ተገፊፎም ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝኣተው ኤርትራውያን ኣብ ከመይ ኵነታት ኣለው? ተገፊፎም ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝኣተው ኤርትራውያን ኣብ ከመይ ኵነታት ኣለው? ቀዳም 9 ሓምለ 2022፡ ኣብ ኢትዮጲያ፡ ከባቢ '160' ኤርትራውያን ካብ ገዳም ሰንዳፋ፡ ማይ ጸሎት ተሓጺቦም እናተመልሱ እንከለው ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ተታሒዞም፡ ኣብ ዳባት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ከምዝተወስዱ ክንገር ጸኒሑ። ካብቶም ተታሒዞም ዝጸንሑ ነጋድያን፡ ዝተወሰኑ ትማሊ ተለቒቘም ተባሂሉ። እቶም ተፈቲሖም ዝተባህሉ ብዝሖም 22 ኰይኑ፡ እቶም 17 ኤርትራውያን ዝተረፉ ሓሙሽተ ድማ ኢትዮጲያውያን ምዃኖም ምንጭታት ንቢበሲ ሓቢሮም። እዞም ሰባት፡ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም፡ ‘ኣምባ ጊዮርጊስ’ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝሓደሩን፡ ካብኡ ብዕጡቓት ፖሊስን ሓለፍቲ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጲያ ‘ኣራ’ን ተዓጂቦም ናብ ባህርዳር ከም ዘቕንዑ ተረጋጊጹ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ናጻ ተባሂሎም ነናብ ስድራቤቶም ዘይከዱሉ ምኽንያት ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣብ ኣሻቓሊ ኵነታት ከም ዘለው ተረጋጊጹ። ቢቢሲ ካብቲ መዓስከር ኣለምዋጭ ዘዘራረቦም ናይ ሕጂ ግዳያትን ነባራትን ‘ቲ መዓስከር ከም ዝገለጽዎ፡ ድሕሪ ብዙሕ ጭንቅን ስምዕታን፡ ዝተወሰኑ ፓስፖርትን ዜግነት ወጻእን ዘለዎምን ሰባት ወጺኦም ይበሃል እምበር፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ቈልዑን ሽማግለታትን፡ ኣብ ርእሲኡ’ውን ስነኣእምሮኣዊ ሕማም ዘለዎምን ገና ተታሒዞም ከም ዘለውን፡ ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ጥዕናን ኣተሕዛን ከም ዘለው ገሊጾም። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ዝተወከሶም ሓለፍቲ ኣራ ግን፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ “ኣብዚ እዋን” ክዛረቡ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ ገሊጾም። እዞም ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ንስድራቤቶም ክበጽሑ ዝመጽኡን፡ ኣብ ኢትዮጲያ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን ኤርትራውያን፡ ካብ ጸበል ኣብ ዝምለሱሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሃንደበት ተታሒዞም እዮም ብግዲ ናብቲ መዓስከር ዝተወስዱ።\nኣብኡ ምስ ኣተው፡ ከም እሱራት ተታሒዞም ከም ዝጸንሑ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት ይገልጹ። ኣብቲ መዓስከ ከም ዝመስከሮ፡ እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኣብ ኢትዮጲያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም፡ ንጸበል ማይጨሎት ኢሎም ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽኡን ገለ ሒደት ድማ ካብ መዓስከር ዝወጽኡ፡ ወረቐት ዘይጸንሖምን እዮም። ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ መዓስከር ኣብ ኣዝዩ ሕማቕን ዘይምቹእን ቦታ ስለዝተደኮነ፡ ብማይ ክረምቲ፡ ብጭቃ ዝተዋሕጠ፡ ንኽትንቀሳቐሰሉ ዘየኽእልን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ‘ሞጀሌ’ ዝበሃሉ ሓሳኹ’ውን ከም ዘለውዎ ብምግላጽ፡ “ናብ ከምዚ ዝበለ፡ ነቲ ስደተኛ ብቐንዱ’ውን ዘይምቹእ ዝጸንሐ ቦታ እዮም ኣምጺኦምዎም” ክብል ይገልጽ። ካብቶም ተታሒዞም ናብቲ ቦታ ዝኣተው፡ ኣደ ሰለስተ ቘልዑን ነፍሰጾርን ምዃና ዝገለጸት ሓንቲ ኤርትራዊት፡ ብጠቕላላ ብዝሖም ልዕሊ 160 ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ለገጣፎ ዝበሃል ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ሒዞም ከም ዘምጽእዎም ትገልጽ። “ኣቐዲሞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጣፎ ንሰለስተ መዓልቲ ኣሲሮምና ነይሮም፣ ብድሕሪኡ እዮም ናብዚ ኣምጺኦምና፡” ኢላ ብምግላጽ፡ ምስ በዓል ቤታ ናብቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ከም ዝኸደትን በቶም ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ምስ ጐርቤት ዝሓደገቶም ሰለስተ ቈልዑታ ዝስምዓ ሻቕሎት ትዛረብ። ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ ኤትዮጲያ ሕጋዊት ነባሪት ምዃናን ፓስፖርት ኤርትራ ከም ዘለዋን ብምግላጽ፡ ምኽንያት መእሰሪኦም ከምዘይትፈልጥ ትሕብር። ካብ ኣንጐላ ከም ዝመጽአ ዝገልጽ ዮናታን ዝተባህለ ኤርትራዊ’ውን፡ ስለምንታይ ከም ዝሓዝዎም ምንም ከም ዘይልጥ ይገልጽ። ንሱ ብተወሳኺ፡ “ክንምለስ እንከለና ናብ ኣዲስ ኣበባ መሲልዎ ኵሉ ሰብ ተሓጒሱ ዕልል እናበለ ኣዲስ ኣበባ ኣቲና። ኣብ ስሉልታ ዝበሃል ቦታ ምስ በጻሕና ግን ኵሉ ሰብ ወሪዱ ናብዚ [መዓስከር] ምዃኑ ምስፈለጠ ‘ኡይ’ ኢሉ ‘ኣይንስቀልን’ ኢሉ። ተወሳኺ ሓይሊ ክመጽእ እዩ ኢሎም’ውን ኣፈራሪሖምና፡” ኢሉ ብምግላጽ፣ “ፋሕ ፋሕ ኢልና ኢና ዘለና፤ ገፊሕ እዩ እቲ መዓስከር። 81 ዓመት ዝዕድመአን ሰበይቲ ኣለዋ፣ ልዕሊ ስሳ ዝዕድመአን - ገዳም ክሳለማ ኢለን ዝወጽኣ ዓበይቲ ኣንስቲ ኣለዋ፡ ብዙሓት ቈልዑ ኣለው፡” ብምባል እቲ ኣጋጣሚ ንናይ ሓንቲ መዓልቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ንምስታፍ ኢሉ እቲ ሰብ ከም ዝኸደ የረድእ። ካብኣቶም፡ ሰሎሞን ዝተባህለ’ውን ብወገኑ፡ 'ኣባይ ባስ' ብዝተባህላ ሰለስተ ኣውቶቡሳት፡ ብዕጡቓት ፖሊስ ኣሰንዮም ናብቲ መዓስከር ከም ዘእተውዎም ብምግላጽ፡ እቶም ብግዲ ዝተታሕዙ ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ካብ ካናዳ፡ ኣሜሪካ፡ ሆላንድ፡ ጀርመን፡ ሱዳን፡ ዩጋንዳን፡ ኣንጐላን ካልእን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነባርነት ዝለዎምን ምዃኖም፤ ገሊኡ ድማ መዓስከር ኣትዩ ዘይፈልጥ ወረቐት ስደተኛ ዘይብሉን ምዃኑ የረድእ። ካብ ሱዳን ከም ዝመጽአ ዝገለጽ ኣርዓዶ ዝተባህለ ብወገኑ፡ ዝምለሰሉ መዓልቲ ድሮ ከም ዝሓለፎ ብምግላጽ፡ “ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ እየ ክምለስ ዝግባኣኒ፡” ኢሉ። እቲ ዝኸውን ዘሎ “ሕንፍሽፍሽ ዝበለን ተሓታቲኡ ዘይፍለጥን ጉዳይ” ምስጢሩ እንታይ ምዃኑ ክርድኦ ከም ዘይከኣለ ይዛረብ። ነቲ ኣብኡ ዝጸንሖም ኵነታት ብምግላጽ ድማ፡ “ኣብዚ መጺእና’ውን ቅድመና ካብ መዓስከራት ትግራይ ዝመጽኡ ሓንቲ ዘይረኸቡ ስደተኛታት ኣለው፤ ኣብ መሬት ዝድቅሱ ብቝርን ሰዓልን ዝሳቐዩ ህጻውንቲ፣ ሕማቕ ንርኢ ኣለና፡” ብምባል ንናይቲ መዓስከር ሕማቕ ኵነታት እናስካሕክሐ ይገልጽ። ኣርዓዶም፡ “ዑደት ናይቲ ገዳም ናይ ሓደ መዓልቲ ስለዝነበረ፡ ደቀን ዓጽየን ዝመጽኣ ብዙሓት ኣደ ቘልዑ ኣለዋና፡” ይብል’ሞ እቲ ቐንዲ ኣሻቒሉ ዘሎ ኸኣ ተኣለይቲ ሕሙማት ኣለዋ፤ ትሽዓተ ስነኣእምሮኣዊ ሕማማት ዘለዎም’ውን ኣሎው፡” ይብል። እዚ ዅሉ እናተራእየ ግን ግቡእን ቅልጡፍን ፍታሕ ከም ዘይተገብረ ብምግላጽ፡ “ዕላማኡን ምኽንያቱን እዚ እዩ ክበሃል ከም ዘይከኣል፡” ብኣርምሞ ይዛረብ። ኣብቲ ቦታ በጺሑ፡ ንግዳያት ዘዘራረበ፡ ኣቦ መንበር ማሕበር ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣቶ ሃብታኣብ እዮብ ብወገኑ፡ እቲ ኵነታት ናይቲ መዓስከር፡ ብኣቀማምጣኡ፡ ትሕዝቶኡን ኣሰካፊ ኵነታት ጸጥታኡን ካልእን ዝጸንሖ ጸገማት ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ እዚ ኵነታት ተወሲኽዎ ጉዳይ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ። ንሱ ነቶም ግዳያት ተወኪሱ ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝስተ ማይ’ውን ከም ዘይርከብ፡ ማይ ካብ ዘዕቈረ ቴንዳ ክጥቀሙ ዘገድድ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘሎ የረድእ። ኣብ ርእሲኡ፡ ኵነታት ናይዞም ሕጂ ተታሒዞም ዘለው በጻሕቲ ገዳም ኤርትራውያን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ፡ ካብ ዝምልከቶም ዝበሃሉ ኣካላት ዛጊት ንጹር ምላሽ ከም ዘየለን ፍታሕ’ውን ከም ዘይተረኽቦን ይዛረብ። እቲ ዘሻቕል ድማ፡ ህጻናትን፡ ሽማግለታት፡ ነፍሰጾራት፡ ብዓቢኡ ሕሙማት ስነኣእምሮ ከም ዘለውን ይገልጽ። ኣቶ ሃብተኣብ ወሲኹ፡ እቶም ሰባት ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ንንግደትን ጸበልን ስለዝዀነ፡ ጸበል ደልዮም ንኽፍወሱ ዝኸዱ ብዙሓት ሕሙማት ከም ዝነበሩን ይጠቅስ። “ካብቶም ዝተታሕዙ፡ ሓደ ክብሮም ዝተባህለ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ሰብ፡ ካብቲ መዓስከር ሞሊቝ ጠፊኡ” ከም ዝቐነየን ይሕብር። ንዅሉ ኵነታት ኣብ ግምት ኣትዩ ድማ ኵነታት ክብሮም ንብዙሓት ኣሻቓሊ ኰይኑ’ኳ እንተቐነየ፡ ደሓር ግን ብፖሊስ እቲ ከባቢ ተረኺቡ ናብቲ መዓስከር ክምለስ ከም ዝተገብረ ተፈሊጡ’ሎ። 'ረፉጂ ኢንተርናሽናል' ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዪጵያ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ገፊፉ ከምዝወሰዶም ኣመልኪቱ። እቲ ትካልን ከምዝሓበሮ፡ ካልኦት ዝተፈላለያ ትካላት ግብረ ሰናይን ናብቲ ቦታ ንምብጻሕ ዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ሕቶ ብሰበስልጣን ኢትዮጲያ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2020 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ብሓይሊ ገፊፍካ ናብ ትግራይ ናይ ምምላስ ስጕምቲ ብምዝካር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር፡ ስደተኛታት ዑቕባ ንኽረኽቡ መሰል ዝህብ ንናይታ ሃገር ሕጊታትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ዝጸረር ምዃኑ የመልክት። ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ንሓለፍቲ ኣራ ንምዝርራብ ድሕሪ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ፡ ኣቶ ስለሺ፡ “ምስ መሳርሕተይ ተዘራሪብና፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምናልባት ድሕሪ ሰሙን እንተዘይኰይኑ ኣብዚ እዋን ምዝራብ ኣይከኣልን፡” ክብል ምላሽ ሂቡ'ሎ። ኣብ ልዕሊ ኣባ ሙሴ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ እንታይ'ዩ? ኣብ ልዕሊ ኣባ ሙሴ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ እንታይ'ዩ? ብኸመይ ከ ተሰሪዙ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ኣብ 2003 ካብ ቤት ማእሰርቲ ሚስራታ ሊብያ፡ ናብቲ ዝነበሩሉ ሮማ፡ ኢጣልያ ስልኪ ተደወለሎም። እቲ ዝደወለ ሰብ፡ ኣብ ጋዜጣ ሬዳቶረ ሶሻለ ዝጽሕፍ ዝነበረ ጸኒሑ ፍስትረስ ኢሩፕ እትብል ናይ ገዛእ ርእሱ ብሎግ ዝፈጠረ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ጋብርኤለ ዴል ግራንደ እዩ። ጋብርኤለ ኣብ ሰሜናውን ምዕራባውን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እናተጓዕዘ፡ ጸገማት ስደተኛታት ዝጽሕፍን ኣህጉራዊ ፍታሕ ንኽርከብ ዝጣበቕን ስሙይ ጋዜጠኛ እዩ። “ኣብ ሊብያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ይርከቡ ኣለዉ’ሞ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል?” ክብል ነቶም ኣቐዲሙ ቃለመጠይቕ ዝገበረሎም ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ሕቶ ኣቕረበሎም። በታ ጻውዒት ስልኪን ሕቶን፡ ኣባ ሙሴ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያን መገዲ ባሕርን ንዝተጸገሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ምስ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር)ን፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ማልታን ጽኑዕ ርክብ ፈጢሮም ኣብ ባሕሪ ሓደጋ ንዘጋጠሞም ስደተኛታት ክሕግዙ ጀሚሮም። “ጭንቂ ናይቶም ካብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ሊብያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጸገም ኣጋጢምዎም ዝድውሉ ስደተኛታት ኣሕዋት ካብ ምስማዕ ንላዕሊ ዘቐንዙ የለን። ከም ካህንን ሰዓብ ክርስቶስን ከኣ ሞያውን ሕልናውን ሓላፍነተይ ክፍጽም ተጊሀ ብዓቕመይ ሰሪሐ” ይብሉ ነቲ ብቐጻሊ ዝሰምዑዎ ክሳብ ሕጂ ዘየዕረፈ ናይ ርድኡና ጻውዒት ብምዝካር። ኣባ ሙሴ፡ ኣብ ከተማ ቦሎኛ ናይ ታሪኽን ኦሬንታል ትምህርቲን ተማሂሩ፡ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ 'ለልዮ ባሶ ፋውንደሽን' ብጋዜጠኛነት ዝሰልጠነ ፍሉጥ ተጣባቒ ስደተኛታት ጋብሪኤል ደል ግራንደን፡ ምስ ካልኦት ግዱሳት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብምትሕብባር ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣፍልጦ ንኽረክብ ብዝከኣሎም ጽዒሮም። ኣብ 2003 ነቶም ድሕነተን ብዘይተሓለዋ ጀላቡ ፕላስቲክን ዕንጸይትን ብማእከላይ ባሕሪ ዝጓዓዙ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ቍጽሪ ተሌፎኖም ንዝኾነ ተጸጊመን ተወጺዐን ዝብል ወገን ንኽድውለሎም ዝወፈዩ ኣባ ሙሴ፡ ረድኤት ናይ ዝደልዩ ኣሽሓት ጻውዒት ስልኪ ተቐቢሎም ሓጊዞም። ኣብ 2015 ከኣ ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ንሽልማት ኖበል ተረቚሖም። “ሓደ ግዜ” ይብሉ ኣባ ሙሴ፡ ኣብ 2009 -2010 ኣብ ሓደ እዋን መንግስቲ ጥልያን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣንጻር ዓለማዊ ሕጊ ንሊብያ ስለዝመለሶም፡ ምስ ካልኦት ማሕበራት ኰይኖም ነቲ መንግስቲ ከሲሶም፡ እቶም ብግፍዒ ዝተመልሱ 14 ኤርትራውያንን 14 ሶማላውያንን ንነፍሲ ወከፎም 15 (ዓሰርተ ሓሙሽተ) ሽሕ ዩሮ ካሕሳ ከምዝኽፈሎም ገይሮም። ካልእ እዋን'ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ባሕሪ ንሊብያ ተመሊሶም ናብ እስራኤል ንዝቐጸሉ ሽዱሽተ ስደተኛታት ብምጥባቕ፡ ንመንግስቲ ጥልያን ከሲሶም ብሕጊ ናብ ጥልያን ንኽኣትው ሓጊዞም። እንተኾነ ዋሕዚ ስደተኛታት ምስ በዝሐን ኣብ ኢጣልያ ኣንጻር ስደተኛታት መርገጺ ዘለዎም ናይ የማን ፖለቲካዊ ሓይልታት ናብ ስልጣን ምስ መጽኡን፡ እቶም ክሳብ ሕጸ ሽልማት ኖበል ዝበጽሑ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ምስ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ምስጢራዊ ርክብ ክህልዎ ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጠራ ቴሌፎኖም ንዓመት መመላእታ ኣብ ትሕቲ ምስጢራዊ ምክትታል መንግስቲ ጥልያን ኣተወ። ድሕሪ ዓመት ከኣ መንግስቲ ጥልያን ምስ ስደተኛታት ኣብ ዝገብርዎ ርክባት ጥርጣረ ስለዘሕደረ፡ ወግዓዊ መርመራ ከምዝጀመረ ብወግዒ ተሓበሮም። እቲ ሽዑ ስልጣን ሒዙ ዝነበረ መንግስቲ፡ ዝኾና ስደተኛታት ዝሓዛ መራኽብ ኣብ ወደባት ጥልያን ንኸይጽጋዓን ከይራገፋን ዝኣወጀሉ እዋን እዩ ነይሩ። ኣባሙሴ ቅድሚ ሽዑ ንዝቐርበሎም ዝነበረ ናይ ርድኡና ጻውዒት፡ ናብ ሓይሊ ባሕሪ ጥልያንን ማልታን ብስልክን ኢመይልን ይሕብርዎም ስለዝነበሩ፡ ነቶም መርመርቲ ኵሉ ሰነዳቶም ብምቕራብ ተሓባቢሮምዎም እዮም። “እቲ ጥርጠራን መርመራን ኣብ ጋዜጣታት ከይተረፈ ምስ ወጽአ፡ ዝገብሮን ዝሰርሖን ስለዝፈልጥ ምንም ኣይተሰመዓንን። እኳ ደኣ ብመገዲ ጠበቓታተይ እቶም መርመርቲ ብዛዕባይ ክፈልጥዎን ክሓቱንን ዝደልዩ ነገራት ንኽተሓባበር ብለወንታ ፍቓደኛ ኰይነ ኵሉ ሰነዳተይ ብምቕራብ ብዝከኣለኒ ተሓባቢረዮም እየ” ይብሉ ኣባ ሙሴ ነቲ ዝነበረ ኵነታት እንክገልጹ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዝወሰደ መርመራ ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ፍርዲ ኢጣልያ እቲ ክምርመር ዝጸንሐ ክሲ ከምዘብቀዐን ምንም ዘኽስስ ነገር ከምዘይተረኽበን ብምግላጽ ነጻ ምዃኖም ብወግዒ ሓቢርዎም። ኣባ ሙሴ፡ እቲ “ነጻ ኢኹም” ዝብል መልእኽቲ ምስበጽሖም “ምናልባት ግዜ ይበልዕ ይኸውን እምበር ውዒሉ ሓዲሩ ፍትሒ ከም ዝምስክር ጥርጠራ ኣይነበረንን” ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ኣባ ሙሴ ዘርኣይ ብ1975 ካብ ኣቦኦም ኣቶ ዘርኣይ ዮሴፍን ወላዲቶም ወይዘሮ ስላስ ሃይለን ኣብ ገጀረት ከተማ ኣስመራ ተወሊዶም ዓብዮም። ዕድመኦም ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ከኣ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካምቦንን እድገትን፡ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣማኑኤል፡ ላዕለዋይ ደረጃ ከኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንታኣናን ተማሂሮም ብልዑል ነጥቢ ትምህርቶም ዛዚሞም። ኣብ 1990፡ ከተማ ባጽዕ ብስርሒት ፈንቅል ኣብ ከበባ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ ኢጣልያ ናብ ዝነብር ዝነበረ ወላዲኦም ከይዶም ትምህርቶም ንኽቕጽሉ መስርሕ ቪዛ ንከሳልጡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከዱ። ቅሩብ ግዜ'ኳ እንተበልዐ ጉዳዮም ሰሊጡዎም ብ1992 ናብ ኢጣልያ ኣተው። እንተዀነ እቶም ምስ ሓንቲ ዓባይ ኢጣልያዊት ኩባንታ ዝሰርሑ ዝነበሩ ወላዲኦም ብስራሕ ምኽንያት ናብ ናይጀርያ ገይሾም ስለዝጸንሑ፡ ኣብ ኣስመራ ዝተላለይዎ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተቐቢሎም ሕቶ ዑቕባኦም ንኸሳልጡ ተሓባበርዎም። ትሕቲ ዕድመ ስለዝነበሩ፡ ቤት ፍርዲ ጥልያን “ውሕስነት ክወሃቦ ኣለዎ” ስለ ዝበለ፡ መንበሪ ፍቓድ ቀልጢፉ ሰለጦም። ኣብ ኣስመራ እንከለው ቋንቋ ጥልያን ይፈልጡን ይመልኩን ስለዝነበሩ ከኣ፡ ኣብ ሳልሳይ ወርሖም ኣብ ከተማ ሮማ ፍረታት ንዝሸጡ ዕድመ ንዝደፍኡ ሰብኣይን ሰበይትን ኢጣልያውያን ብምሕጋዝ ስራሕ ጀሚሮም ነብሶም ክኢሎም። ሕቶ ዑቕባኦም ከሳልጡ እንከለው፡ ምስ መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ኢጣልያን ምስ ብዙሓት ዑቕባ ዝሓቱ ዝነበሩ ስደተኛታትን ተላልዮም። ብዝነበሮም ምልከት ቋንቋ ጥልያን ኣብ ቤት ጽሕፈት እቶም ንስደተኛታትን ዝሕግዙ ዝነበሩ ፒተር ጄምስ ቦን ዝተባህሉ ስኮትላንዳዊ ካህን ኰይኖም ጸገም ቋንቋ ንዝነበሮም ስደተኛታት ብወለንታ ክተሓጋገዙ ጀሚሮም። ካብ ሽዑ ኣትሖዞም ከኣ ብዛዕባ መስርሕ ሕቶ ዑቕባን ብዛዕባ መሰልን ግዴታን ስደተኛታት እኹል ኣፍልጦ ደለቡ። ካብ ንእስነቶም ካህን ናይ ምዃን ድላይ ዝነበሮም ኣባ ሙሴ፡ ወዲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኮኑ ኣብቲ ዘምልኽሉ ዝነበሩ ቤተ-ክርስትያን ካህን ንምዃን ትምህርቲ ክህነት ክመሃሩ ክውሰድ ዝነበሮ ፈተና ወሲዶም ሕቶ ኣቕሪቦም። እንተኾነ፡ ትሕቲ ዕድመ ስለዝነበሩ ናይ ወለዲ ፍቓድ ምስ ተሓተቱ ንስደት ካብ ዝኸዱ ወለዶም ሕድሪ ተቐቢላ እተዕብዮም ዝነበረት ዓባዮም “ኣቦኻ ከፍቅደልካ ኣለዎ” ስለ ዝበላኦም ኣይሰለጦምን። ወላዲኦም ኣቶ ዘርኣይ ዮሴፍ፡ ኣብ ኢጣልያ ማህደረ ትምህርቲ ረኺቦም ብኢንጀሪንግ ተመሪቘም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ክሰርሑ ድሕሪ ምጽናሕ ብፖለቲካዊ ምኽንያት ንጥልያን ተሰዲዶም ነበሩ። ኣብዚ ሕቶ ክህነት ምስ ተሓተቱ፡ “ወዲ 18 ዓመት በጺሕካ ባዕልኻ ክሳብ ትውስን ኣየፍቅድን እየ” ስለዝበሉ ሓሳቦም ኣይሰመረን። ወለዶም በቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኵነታት ንስደት ስለ ዘምርሑ ምስ ኣደ ኣቦኦም፡ ምስ ዓባዮም እዮም ዓብዮም። ወላዲቶም ወይዘሮ ስላስ፡ ካብ ሱዳን ናብ ስዑድያ ተሰዲደን ብ1981 ደቀን ክርእያ ንዓዲ ምስ ተመልሳ፡ ብሃንደበታዊ ሕማም ሳልስቲ ኣብ ኣስመራ ዓሪፈን። ዳሕራይ ግን ከምቲ ኣቦኦም “ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸልካ ትውስን ዝበልዎም” ዓለማዊ ናብራ ምስ ገምገሙን ብህይወት ስደት ምስ ተመኰሩን፡ ነቲ ካብ ንእስነቶም ዝበሃግዎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ፡ ስካሊብሪንያን ፋዘርስ ምስ ዝተባህሉ ንስደተኛታት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ካቶሊካውያን ኣሕዋት ትምህርቲ ክህነት ጀሚሮም። እቲ ዝተማህርሉ ማሕበር፡ ኣብ 1800 ዓመተ ምሕረት ኣቢሉ፡ ኢጣልያውያን ፈቐዶ ኣህጉር ዓለም ክስደዱ ምስ ጀመሩ፡ ስካላብሪኒ ዝበሃሉ ኣብ ቢያቸንሳ ኢጣልያ ዝነበሩ ኣቡን፡ ነቶም ስደተኛታት ኣኣብ ዝዓለቡሉ ሃገር እናኸዱ ኣገልግሎት ዝህቡ ካህናት ንምምልማል ዘቘምዎ ማሕበር እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ 1970ታት እቲ ስደትን ፍልሰትን ስለ ዝቐጸለ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እቲ ማሕበር ንዅሉ ስደተኛ ምእንቲ ኸገልግል ነቲ ዕማም ደፊኣትሉ። ኣባ ሙሴ ኣብ ቢያቸንሳ ንሰለስተ ዓመት ፍልስፍና፡ ኣብ ሮማ ንሓሙሽተ ዓመት ቲዮሎጂ ምስ ተማህሩ፡ ብ2010 መዓርግ ክህነት ለቢሶም ኣብ 14 ከተማታት ስዊዘርላንድ ንዝርከቡ ሰዓብቲ ካቶሊክ ስደተኛታት፡ ንሽዱሽተ ዓመት መንፈሳዊ ኣገልግሎት ሂቦም። ብድሕሪኡ ከኣ ናብ ሮማ ኢጣልያ ተመሊሶም ኣገልግሎቶም ይቕጽሉ ኣለው። ሓሙሽተ ኣብ ስደት ኣብ ፖለቲካ ዕዙዝ ዓወታት ካብ ዘመዝገቡ ትውልደ ኤርትራውያን ክነላልየኩም! ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ናብ ኔዘርላንድ ተረኪቡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ ዝነበረ 'ወሊድ' ብዝብል ስም ዝፍለጥ ዕሉል ኤርትራዊ ኣሰጋጋሪ ስደተኛታት ናብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ከምዝተረከበ ተገሊጹ። እቲ ኣሰጋጋሪ፡ ካብ 2014 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደገኛ ኣገባብን ዓመጻት ዝበዝሖ ኵነታትን ኣሰጋጊሩ ብዝብል'ዩ ዝኽሰስ። እቲ ሎሚ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ጥርጡር ጽባሕ ሓሙስ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። "እቲ ጥርጡር ረቡዕ ንግሆ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኪፖል (ኣምስተርዳም) ኣትዩ'ሎ። ሓሙስ 6 ጥቅምቲ 2022 ከኣ ኣብ ቅድሚ መርማሪ ቤት ፍርዲ ክቐርብ" ምዃኑ ሰብመዚ ሆላንድ ሓቢሮም። ተወልደ ጎይትኦም፡ ኣብ ሰነ 2021 ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ምስርጣይ ስደተኛታትን ገበነኛ ኰይኑ ብምርካቡ ኣብ ኢትዮጵያ ን18 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ዝነበረ'ዩ። እቲ ወዲ 38 ዓመት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተበየነሉ ማእሰርቲ 200,000 ብር ክኸፍል'ውን ተወሲንሉ ነይሩ። ሰብመዚ ኣኽባር ሕጊ ሆላንድ (ኔዘርላንድ) ሎሚ ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረብሉ ሕቶ ብምቕባል ነቲ ብስሙ ዘይገለጽዎ ገበነኛ ከምዘረከቦም ገሊጾም። "ነዘርላንድስ ብዘቕረበቶ ሕቶ መሰረት፡ ኢትዮጵያ ንሓደ ብጉዳይ ከቢድ ገበናት ፍልሰት ተጠርጢሩ ዓለምለኻዊ መርመራ ዝግበረሉ ኤርትራዊ ኣረኪባቶ ኣላ። "እቲ ሰብ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኣፍሪቃ ናብ ነዘርላንድስ ብምስግጋር ዝጥርጠር'ዩ" ይብል እቲ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘውጽእዎ መግለጺ። ኣብ ኢትዮጵያ ን18 ዓመታት ማእሰርቲ ከምዝተፈርደ ብምጥቃስ፡ ብምጥፍፋእ ገንዘብ፡ ጾታዊ ዓመጽን፡ ስቅያት፡ ኣካላዊ መግረፍቲን ከምዝድለ'ውን እቲ ዜና ጠቒሱ'ሎ። እቲ "ገበናዊ መርመራ ብምትሕብባር ኢጣልያ፡ ኢሮፖል፡ ኢንተርፖል፡ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርድን ካልኦትን" ከምዝተኻየደ እቶም ሰብመዚ ሓቢሮም። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቀይዲ ሃዲሙ ዝድለ ዘሎ ኪዳነ ዘካርያስ ሃብተማርያም ዝተባህለ ካልእ ዕሉል ኣሰጋጋሪ'ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ተሓባበርቱ ምንባሩ ሰብመዚ ሆላንድ ይኸሱ። ኣኽባሪ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘየለወሉ ንሕልፈት ክእሰር ዝተፈርደ ኤርትራዊ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ሰባት ኣስፊርዎ ምህላዉ ይፍለጥ። ኪዳነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንሓደ ዓመት ብጉዳይ ክልተ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኰይኑ ጉዳዩ ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ለካቲት 2020 ካብ ቤት ፍርዲ ሃዲሙ ከምዝተሰወረ ይዝከር። ምስ 'ወሊድ' ዝተሓባበር ጎደፋይ ደሞዝ ዝተባህለ ውልቀሰብ ድማ ናይ 16 ዓመትን ሽዱሽተ ወርሒን ማእሰርቲ ከምኡ'ውን 50 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ተፈሪድዎ ነይሩ። ተወልደ ጎይትኦም ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝተሓሓዝ ብሓሙሽተ ክስታት'ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ። ንዝቐረበሉ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ክስታት ከምዝነጽጎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝከላኸልሉ ዝነበሩ ጠበቓታት ገሊጾም ነይሮም'ዮም። ኣኽበርቲ ሕጊ ኔዘርላንድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምርካብ ናይቲ ጥርጡር ንዘርኣየቶ ምትሕብባር ዘለዎም ምስጋና ገሊጾም ኣለዉ። ፈተና መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ንምውሳድ ዝዳለዉ ዘለዉ ወዲ 61 ዓመት ኢትዮጵያዊ ኣቶ ቆንጮሪ ቦሪ ወዲ 61 ዓመት ከምዝኾኑ ብግምት ይዛረቡ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ምዕራብ ጉጂ ሱሮ በርጉድ ተወሊዶም ዓብዮም። ዕድመኹም ክንደይ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ምስ ቀረበሎም "ኣብዚ እዋን ዕድመይ 61 ይኸውን'ዩ" ዝብል ግምታዊ መልሲ ሂቦም። ዕድመ ቁልዕነቶምን ዕብየቶምን ኣብ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን ዘሕለፉ እዞም ኣቦ፡ 11 ውሉዳት ኣለውዎም። ሎሚ ጥሪት ኣብ ምክንኻን፡ ወቕቲ እናተጸበዩ ማሕረስ ምክያድ ብዙሕ ዘጨንቘም ጉዳይ ኣይኮነን። ሓደ ጉዳይ ግን የሕስቦም። ንዓይነታት ትምህርቲ ሕሳብ፡ ፊዚክስ፡ ስነ-ህይወትን ስነዜጋን ብምጽናዕ ምስ ደቂ ደቈም ዝዀኑ ተመሃሮ'ዮም ዝወዳደሩ ዘለዉ። በዚ ዕድሚኦም ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ዝወሰኑሉ ምኽንያት ከኣ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ከባቢኦም ዝተጀመረ ዕድል ትምህርቲ ንዓበይቲ (መሰረተ ትምህርቲ) ነይሩ። ኣብዚ እዋን ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሃገራዊ ፈተና ንምውሳድ ኣብ ምድላው ይርከቡ። "ኣቦሓጐይ ኣይተመሃሩን፣ ኣቦይ እውን ኣይተመሃረን። ኣነ ከኣ ክሳብ ዝኣርግ ከይተመሃርኩ ጸኒሐ" ክብሉ ንትምህርቲ ዘለዎም ድልየት ይገልፁ። ኣብቲ ዝነብሩሉ ከባቢ ብ2000 [ኣ.ግ] [2008 ኣ. ኣ] ዕድል መሰረተ ትምህርቲ ብምርካቦም ነቲ ንትምህርቲ ዝነበሮም ሸውሃት ድርኺት ኰይኑ ኣነቓቒሕዎም። "መሰረታዊ ትምህርቲ ብዝብል ካብ ቀበሌና 25 ሰባት ኣኪቦም ከምህሩና ጀሚሮም። ካብ ብቐደሙ ጣዕሳ ስለዝነበረኒ ከኣ ብሓጐስ ተቐቢለዮ። ምሳይ ነቲ ትምህርቲ ዝጀመሩ ኵሎም ኣቋሪፆምዎ እዮም። ኣነ ግን ንዕኡ ዛዚመ 1ይ ክፍሊ ኣትየ" ክብሉ ነቲ ኵነታት ይዝክሩ። ኣብ 2001 [ግ.] እዮም ቀዳማይ ክፍሊ ኣትዮም። "ቀዳማይ ክፍሊ ምስኣተኹ ብዙሕ ሰብ ተገሪሙ። 'ምስ ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝውዕል ምስ ጥሪቱ እንተዝውዕል'ዶ ኣይምሓሾን?' ኢሎምኒ። ኣነ ግን ተማሂረ ነቲ ሕብረተሰብ ከእምኖ ስለዝኽእል ንዘረባኦም ብዙሕ ኣይተገደስኩሉን። ትምህርተይ ድማ ቀጺለ" ይብሉ። ቀዳማይ ክፍሊ ኣትዮም ክመሃሩ ምስ ጀመሩ ዋርድያ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ዝነበረ ሰብ ዛንታ ንብዙሓት መምሃሪ ክኸውን ከምዝኽእል ብምእማን ንብዙሓት የዘንትዉሎም። "ቀዳማይ ክፍሊ ምስ ኣተኹ ሓደ ዋርድያ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ነይሩ፣ ኣይተምሃረን። ውዕሎኡ ግን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ነይሩ። መንበሪ ገዛኡ'ውን ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ትምህርቲ እዩ። ንምንታይ ከም ዘይተመሃር ምስሓተትክዎ ' ኣብ ኣጋ እርጋን ትምህርቲ እንታይ ይገብረለይ?' ኢሎምኒ። ኣነ ግን ተማሂረ ነቲ ሕብረተሰብ ከእምኖ ስለዝኽእል ንዘረባኦም ብዙሕ ኣይተገደስኩሉን። ትምህርተይ ድማ ቀጺለ" ይብሉ። ቀዳማይ ክፍሊ ኣትዮም ክመሃሩ ምስ ጀመሩ ዋርድያ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ዝነበረ ሰብ ዛንታ ንብዙሓት መምሃሪ ክኸውን ከምዝኽእል ብምእማን ንብዙሓት የዘንትዉሎም። "ቀዳማይ ክፍሊ ምስ ኣተኹ ሓደ ዋርድያ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ነይሩ፣ ኣይተምሃረን። ውዕሎኡ ግን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ነይሩ። መንበሪ ገዛኡ'ውን ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ትምህርቲ እዩ። ንምንታይ ከም ዘይተመሃር ምስሓተትክዎ ' ኣብ ኣጋ እርጋን ትምህርቲ እንታይ ይገብረለይ?' ኢሉኒ። ኣነ ግን ሽዑ ዝጀመርክዎ ትምህርቲ ሎሚ 12 ክፍሊ በጺሐ'ለኹ። ንሱ ግን ክሳብ ሎሚ ፊዳላት ኣለልዩ ኣይፈልጥን" ክብሉ ይዛረቡ። ፍልጠቶም ንምዕባይ ዝለዓለ ባህጊ ዘለዎም ኣቶ ቆንጮሪ፡ ካልኦት ዝፈልጥዎ ነገር ናይ ምፍላጥ ዝለዓለ ድልየት ኣለዎም። "ኣብ ውሽጠይ 'ሰባት ዝፈልጥዎ ነገር ንምንታይ ኣነ ከይፈለጥክዎ ተሪፈ ዝብል ሕቶ' ኣሎ። ንምንታይ ብኣፃብዐይ እፍርም ክብል እጠዓስ" ይብሉ እቶም ወላዲ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቤሌ ሆራ ትምህርቶም ዝከታተሉ ኣቶ ቆንጮሪ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ሃገራዊ ፈተና ንምውሳድ ኣብ ምድላው ይርከቡ። ኣብቲ ፈተና ጽቡቕ ውፅኢት እንተረኺቦም ናብ ዩኒቨርሲቲ ብምእታው ክምረቑ ገዚፍ ዕላማ ከምዘለዎም ይዛረቡ። "ፈጣሪ ፈተና ንኽሓልፍ እንተሓጊዙኒ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ እየ። ኣብ ደገ [ካልእ ሃገር] ሓደ በዓልፀጋ ዕድመ ካልኣይ ዲግሪ ንኽመሃሩ ብደቈም እናተደገፉ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ብምድያብን ብምውራድን ከምዝዛዘሙ ሓደ መምህረይ ነጊሩኒ። እዚ ከኣ ዓቢ ሞራላዊ ስንቂ ኮይኑኒ፡" ይብሉ። ሕልሞም እንተሰሚሩ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ብምምራቕ ንቤተሰቦም፡ ንመምህራኖምን ንነበርቲ ከባቢኦምን ከሕጕስዎም ድልየት ኣለዎም። ቢቢሲ ቅድሚ ሎሚ'ውን ቈልዑ ወሊዶም፡ ዕድሚኦም ምስደፍአ ናብ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ዝኣተዉ ውልቀሰባት ዛንታታት ሰሪሑ ነይሩ። ካብ መንጐ እቶም ወለዲ ድማ ወዲ 69 ዓመት ኣቶ ታደሰ ጊቺሌ ይርከብዎም። ኣቶ ቆንጮሪ ብዛዕባ እቶም ዩኒቨርሲቲ ዝኣተዉ ኣቶ ታደሰ ሓቲትናዮም ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይሰምዑ ብምግላጽ፡ "ከማይ ተባዕ ሰብ እዩ" ክብሉ ንኢዶምዎም። ‘ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ንምፍታሕ፡ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ዩክረይን ተበጊሱ ’ ኣብታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ዩክረይን ተኣሲሮም ዝርከቡ ሽዱሽተ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ንምፍታሕ፡ ኣብ በርሊን ካብ ዝርከብ ኤምባሲ፡ ጉጅለ ዲፕሎማት ናብ ዩክረይን ይጓዓዝ ከምዘሎ ተገሊጹ፡፡ ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምክትል መራሒ ሚስዮን ኣምባሳደር ተፈሪ ታደሰ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ነቶም ተምሃሮ ከፍትሕ ዝተዋጸአ ጉጅለ ዲፕሎማት ረቡዕ ንጉሆ ናብ ዩክረይን ተበጊሱ እዩ፡፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ተምሃሮ ኲናት ዩክረይን ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሓሙሽተን ሸሞንተን ኣዋርሕ ናብተን ሸንገን ተባሂለን ዝጽዋዓ ሃገራት ኣውሮጳ ሕብረት ክኣትዉ እንትፍትኑ ኣብ ከባቢ ዶብ ተታሒዞም ዝተኣሰሩ ከምዝኾኑ እቲ ኣምባሳደር ኣፍሊጡ፡፡ ‘‘ዋላኳ እቶም ተምሃሮ ገበን ፈጺሞም ዝተኣሰሩ እንተኾኑ፡ ነዐኦም ንምሕጋዝ ሊሴ ፓሴ ብምድላው ክፍትሑ ይስራሕ ኣሎ’’ ኢሉ፡፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ዩክረይንን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ዩክረይንን ድሕሪ ምዝርራቦም ጉዕዞ ከምዝተጀመረ እውን እቲ ኣምባሳደር ተዛሪቡ፡፡ ንኣመሓዳሪ ናይቲ እቶም ኢትዮጵያውያን ዝርከቡሉ ቤት ማእሰርቲ ረቡዕ ንጉሆ ከምዘዘራረቦ ዝገለጸ ኣምባሳደር ተፈሪ ‘‘ኣድላይ መረዳእታ ሒዝኩም መጺእኩም ውሰድዎም ’’ ኢሉ ፍቓድ ከምዝሃቦም ሓቢሩ፡፡ ካብዚ ወጻኢ ኣብ ዩክረይን እናተምሃሩ ዝጸንሑ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ካብታ ሃገር ከምዝወጽኡን ናብ ፖላንድን ጀርመንን ኣትዮም ሕብረት ኣውሮጳ ዝሃቦም ናይ ሓደ ዓመት ዕድል ይጥቀሙ ከምዘለዉን ኣፍሊጡ፡፡ ‘‘ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ኣለዉ፡፡ ናብ ዓዲ ክምለሱ ኣይደልዩን፡፡ ኣብኡ ኮይኖም ትምህርቶም ክውድኡ እዮም ዝደልዩ’’ ኢሉ፡፡ ቅድም ክብል ቢቢሲ ዘዘራረባ ሓንቲ ወለንተኛ፡ እቶም ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ዶብ ዘቋረጹ ተምሃሮ ዕለታዊ ድጋፍ ዝረኽቡ ካብ ወለንተኛታት ከምዝኾነን ንጸገም ተቓሊዖም ከምዝነበሩን ገሊጻ ነይራ፡፡ እቲ ኣምባሳደር ግና ክሳብ ዶብ ዩክረይንን ፖላንድን ከይዶም ኣብ ፖላንድ ምስዝነብሩ መራሕቲ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረቡን ነቶም ተምሃሮ ንምሕጋዝ ኮሚተ ተጣይሹ እናተሰርሐ ከምዝጸንሐን ተዛሪቡ፡፡ እቲ ኤምባሲ ‘‘ መሰል ዜጋታቱ ክኽበር ምግባር፣ ካብ ዶብ ክወጹ ምሕጋዝ እምበር ናብ ዓዶም ንክምለሱ ናይ ሓድሕድ ዜጋ ከይዲ ኢሚግሬሽን ኣይከታተልን ’’ ዝብል ኣምባሳደር ተፈሪ እቶም ተምሃሮ ጉዳዮም ብውልቀኦም ይውድኡ ከምዘለዉ ሓቢሩ፡፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ዩክረይን ንትምህርቲ ዝመጹ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተምሃሮ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኮይኖም፡ ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎም ሞሮካያን (8000)፣ ናይጄርያውያን (4000)፣ ግብጻውያን (3000) ኮይኖም ውሑዳት ዘይበሃሉ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብታ ሃገር ከምዝነበሩ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ፡፡ ኣብ ኣውሮጳ ንምጽናሕ ዲግሪታት ዝድርድሩ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ናይጄሪያዊት ተመሃሪት ሞዱፔ ኦሱንኮያ ብሊንከዲን ጥራይ ልዕሊ 200 ጊዜ ስራሕ ተመዝጊባ ክሳኽዐላ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ቤልጂየም ክትጸንሓሉ እትኽእል ዕድል ጊዜ ይኣኽሎ ከም ዘሎ ትፈልጥ። ዝረኸበቶ ናይ ተምሃሮ ቪዛ መዓልቱ ክኣክል ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ስለ ዝተረፎ ኣብ ቅድሚኣ ዝጽበያ ነገር እንተሃለወ ዕድል ስራሕ ምርካብ ወይ ካብታ ሃገር ምውጻእ’ዩ። ግን ከኣ ካልእ ተወሳኺ ዕድል ኣሎ፤ ንሱ ድማ ሳልሳይ ዲግሪ ንምሓዝ ትምህርቲ ምቕጻል ኮይኑ ኣብ 2017 ካብ ሃገራ ካብ እተወጽእ ሳልሳይ ዲግሪ ይኸውን ኣሎ። “ንዶክትሬት ክቕጽል ድልየት ኣይነበረንን ግን ከኣ ናብ ዓደይ እንተተመሊሰ ኣብኡ ዝጽበየኒ ዕድል ስራሕ የለን” ክትብል እታ ጓል 28 ዓመት ንቢቢሲ ተዛሪባ። ብሰንኺ ዘሎ ስእነት ስራሕ - ሓደ ካብ ሰለስተ ካብ መናእሰይ ብዘይስራሕ ኮፍ ክብል ይግደድ። በዚ ምኽንያት ዝበዝሑ ናይጀርያውያን ናብ ሃገሮም ኣብ ክንዲ ምምላስ ኣብ ደገ ንዘለዉ ዕድላት ክጥቀሙ ይመርጹ። ከምኡ ብምዃኑ ድማ ሞዱፔ ኦሱንኮያ ጎኒ ንጎኒ ምስቲ ገና ኣብ ቤልጂየም ዘይዛዘመቶ ማስተርስ ዲግሪ ኣብ ኢስቶኒያ ዶክትሬት ዲግሪ ንምቕጻል ተመዝጊባ’ላ። ናብ ኢስቶኒያ ክትኸይድ ዝመረጸትሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ቤልጂየም ዕድል ስራሕ ኮነ ትምህርቲ ዶክትሬት ዲግሪ ክትረክብ ዘይምኽኣላ እዩ። “ዕድላት ትምህርቲ ናብቲ መወዳእታ ዘብጽሑ መገዲታት እዮም። ፈጣሪ እንተይልዎ እቲ መወዳእታ ምናልባት ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ክኸውን ይኽእል” ትብል። እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ታሊን ብዶክትሬት ዲግሪ ትቕጽሎ ትምህርቲ ንኣርባዕተ ዓመት ስለ ዝጸንሕ፤ ኣብ መወዳእታ ፍቓድ መንበሪ ክትሓትት ትኽእል’ያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 100 ሽሕ ናይጀርያውያን ንትምህርቲ ናብ ደገ ከም ዝወጽኡ ኣይሲኢኤፍ [ICEF] ዝተባህለ ዓለምለኸ ዕድላት ትምህርቲ ዘተሓባብር ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት። መብዛሕቲኦም ድማ ኣብተን ዝኸዱለን ሃገራት ቀዋሚ ነባርነት ንምርካብ ተስፋ ይገብሩ። ብዛዕባ ኣፍሪቃ ኣብ ቤልጂየም ፎሉዋኬሚ (ትኽክለኛ ስማ ኣይኮነን) ኣብ ቤልጂየም ትምህርታ ትከታተል ዘላ ካልእ ናይጄሪያዊት እያ። “ሰባት ማስተርስ ዲግሪኦም ይውድኡ’ሞ፤ መሊሶም ትሕቲ ደረጃ ትምህርቶም ዝኾነ ተወሳኺ ዲፕሎማ ንምርካብ ትምህርቲ ይጅምሩ። ብድሕሪኡ ድማ ካልኦት ሰርቲፊኬታት ንምራካብ ይጽዕሩ። እዚ ኹሉ ዝግበር ሕጋውነት [ኣብታ ሃገር ናይ ምጽናሕ] ንኽህልወካ ብዝብል’ዩ” ክትብል ተረድእ። ኣብ ናይጄሪያ ብኢኮኖሚክስ ቀዳማይ ዲግሪ’ኳ እንተነበራ ቤልጂየም ምስ ኣተወት ግን ካብ ታሕቲ ክትጅምር’ያ ወሲና። ኣብታ ሃገር እትጸንሓሉ ጊዜ ንምንዋሕ ብዝብል ሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ቢዝነስ ማኔጅመንት ትምህርቲ ጀሚራ። ብድሕሪኡ ድማ ክልተ ዓመት ዝወስድ ማስተርስ ዲግሪ ቀጺላ። ፍቓድ ቀዋሚ ነባርነት እትረኽብሉ ዕድል ክሳብ ዘጋጥማ ትምህርታ ከም እትቕጽል ትዛረብ። “ኣፍሪቃዊት ኮይነ ኣብ ቤልጂየም ብዛዕባ መጽናዕትታት ኣፍሪቃ ይመሃር ኣለኹ፤ እዚ ድማ የሕርቐኒ” ትብል ካልእ ናይጀርያዊት ኢፎማ (ትኽክለኛ ስማ ኣይኮን)። ንሳ ኣብ 2019 ናብታ ሃገር ካብ እትኣትው ካልኣይ ማስተርስ ዲግሪኣ ኣብ ምክትታል ትርከብ። “ብዙሕ ዝሻቐለሉ ጉዳይ ኣይኮነን፤ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ንምውሳን ዘጥፍኦ ዘለኹ ጊዜ እዩ” ክትብል ነቲ ዘላትሉ ኩነታት ትገልጾ። ኣብ ቤልጂየም ንትምህርቲ ዝኽፈል 1200 ዶላር ዓመታዊ ክፍሊት ከምኡ’ውን ንናብርኦም ዘውጽእዎ ወጻእታት ምስቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዘሎ ክነጻጸር ከሎ ነቶም ናይጄሪያውያን ተምሃሮ ዝሓሰረ ብምዃኑ ነታ ሃገር ይመርጽዋ። “ንናብራ ዝወጽእ ወጻኢ ትሑት’ዩ፤ ብወርሒ ክሳብ 300 ዩሮ ኢኻ ተውጽእ” ትብል ሞዱፔ። ነቶም ካብ ዝሓሸ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ናይጀርያውያን ስድራ ዝመጽኡ ግን ከም ካናዳ፣ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዝበላ እንግሊዝኛ ዝዝረበለን ሃገራት ተመረጽቲ እየን። ኣብተን ሃገራት ልዕሊ 13 ሽሕ ናይጄሪያውያን ተመሃሮ ከም ዘለዉ ይግለጽ። ካናዳ ካብ ብሪጣንያ ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ናይጄሪያውያን ተምሃሮ ቑጽሮም ካብ እዋን ናብ እዋን እናነከየ ይመጽእ’ዩ ዘሎ። ኣብ 2013/14 ካብ ዝነበሮ 18,020 ኣብ 2017/18 ናብ 10,540 ኣንቆልቊሉ’ሎ። ከምኡ ክኸውን ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት እቲ ሓደ ከኣ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቲ ንኽልተ ዓመት ናብ ሃገሮም ከይተመለሱ ንኽሰርሑ ዝወሃቦም ዝነበረ ቪዛ ስለ ዝተልዓለ’ዩ። ንትምህርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ዝተሓተ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብዙሕ ከይተጨናነቕካ ዝርከብ ቪዛ ከምኡ’ውን ብድሕሪ ትምህርቲ ዘሎ ዕድል ስራሕን መንበሪ ፍቓድን ተምሃሮ ንካናዳ ዝመርጹሉ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይግለጽ። ኣብ ብሪጣንያ ዜጋታት እታ ሃገር ወይ ዜጋታት ካልኦት ኣውሮጳውያን ሃገራት ንትምህርቲ ካብ ዝኸፍልዎ ክፍሊት እቲ ናይጀርያውያን ተምሃሮ ዝኸፍልዎ ብሰለስተ ዕጽፊ ይበልጽ። ግን ከኣ እቶም ናይጀርያውያን ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ክቡራት ወይ ዘይብጽሑ ዝበሃለሎም ዕድላት ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ቋንቋ እንግሊዝኛ ቀዳማይ ቋንቁአን ኣብ ዘይኮና ሃገራት ዝህልዎም ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ድማ ብዝያዳ ዝጸበበ ይኸውን። ብዘይካ’ዚ ዓሌታዊ ኣድልዎ እውን ካልእ ተወሳኺ ብድሆ እዩ። ቤልጂየም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ሓደ ምምሕያሽ ገይራ’ላ። ንሱ ድማ ተምሃሮ ድሕሪ ምረቓ ስራሕ እናደለዩ ንሓደ ዓመት ከጸንሑ ዘኽእሎም ጊዚያዊ ቪዛ እዩ። ኢትዮጵያ፡ ተማሃሮ ኣብ ሃገራዊ ወፍሪ ንኽሳተፉ ንሓደ ሰሙን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ምዃነን ተገሊጹ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንሓደ ሰሙን ክዕጸውን ተማሃሮ ኣብ ሃገራዊ ወፍሪ ብምስታፍ ውጽኢታዊ ዝኾነ ተግባራት ከካይዱን ምውሳኑ ገሊጹ። እተን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 6 ታሕሳስ 2021 ጀሚረን ከምዝዕጸዋን ተማሃሮ፣ መምህራንን ሰራሕተኛታትን ከከም ኩነታት እቲ ኣከባቢኦም "ንሃገራዊ ቃልሲ ከበርክቱ" ከምዝተወሰነ ሓቢሩ። እዚ ውሳነ ዝሓለፈ ሰብመዚ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ምስ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ናይ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ። ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ "ሃገር እንተዘየሎ ምንባር ስለዘይከኣል ኩሉ ንሃገሩ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ" ብምባል እቲ ዓውደ ትምህርቲ ብመንጽር ህሉው ኩነታት ትጽቢት ንዝግበረሉ ሃገራዊ ሓላፍነት ምእንቲ ክዋጻእ እቲ ውሳነ ከምዝሓለፈ ጠቒሱ። ኣብቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝዕጸውሉ እዋን ተማሃሮ፣ መምህራንን ካልኦት ሰራሕተኛታት እቲ ጽላትን ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ናብ ሰራዊት ናይ ዝኸተቱ ሓረስቶት ዘራእቲ ኣብ ምእካብን ንስድርኦም ኣብ ምድጋፍን ዝኣመሰሉ ተግባራት ክዋፈሩ እዮም። ብዘይካ'ዚ ዝተፈላለዩ እቶም ኣካላት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ከም ምልጋስ ደም፡ ምድላው ስንቂ ዝኣመሰሉ ገንዘባውን ካልእል ዝተፈለለየ ነገራት ከምዘበርክቱ ተነጊሩ። ብምኽንያት እቲ ምዕጻው ንዝፍጠር ናይ ሓደ ሰሙን ምስንካላት መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ክከሓሓስ ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ። ናብ ሽቓቕ ዝኣተወት ስልኪ ከውጽኣሉ ንተምሃራዩ ዘገደደ መምህር ተቐጺዑ ንወዲ 11 ዓመት ተምሃራዩ ናብ ናይ ሽቓቕ ጉድጓድ ዝኣተወት ስልኪ ከውጸኣሉ ኣገዲዱ ዝብል ክሲ ዝቐረበሉ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርእሰ መምህር ካብ ስርሑ ተኣጊዱ። እቲ መምህር ንተምሃራዩ፡ ብገመድ ኣሲሩ ናብ’ቲ ናይ ሽቓቕ ጉድጓድ ክኣቱ ዝገበሮ ኮይኑ፡ ነታ ስልኪ ምስኣውጸኣሉ 200 ራንድ (14 ዶላር) ከምዝህቦ ቃል ኣትዩሉ ነይሩ ተባሂሉ። በዚ ምኽንያት፡ ነቲ ተምሃራይ መማህርቱ ክድህልዎ ስለዝጀመሩ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ከምዝፈርሐ ስድርኡ ይገልጹ። ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ናይ’ቲ ከባቢ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስሰምዐ “ሓፊረ” ክብል ንታይምስ ላይቭ ዝተብሃለ ሚድያ ተዛሪቡ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ጉድጓድ ዝስራሕ ሽቓቕ ምጥቃም ልሙድ እዩ። ሓላፊ ትምህርቲ ዞባ ምብራቓዊ ኬፕ ፉንዲሌ ጋዴ፡ ነቲ ናይ’ቲ መምህር ተግባር “ልዕሊ ነውሪ” ክብል ገሊጽዎ። እቲ ሓላፊ ይቕርታ ክሓትት ናብ ስድራ እቲ ተምሃራይ ብኣካል ክኸይድ ምዃኑ’ውን ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ። ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሰ መምህር ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ድማ ምጽራይ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስተ ዙርያ ከምዝኽፈታ ተገሊጹ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝተቐመጠ ቅድመ ኩነት ዘማልኣ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ውሸጢ 3 ሰሙን፡ ትምህርቲ ክጅምራ ከምዝተወሰነ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሚኒስትሪ ጥዕናን ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ብዘቐመጥዎ ቅድመ ኩነት መሰረት ቅድሚ ምጅማረን ብመድሓኒት ክጸርያ፣ መሸፍኒ ኣፍን ኣፍንጫን መ ጽረዪ ኢድን ከምኡ 'ውን ኣካላዊ ምርሕሓቕ ክትግብራን ትጽቢት ይግበረለን። ከም ኩነታት እተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ብፈረቓን ሓደ ሓደ መዓልቲ እናዝለላ በብተራን ከምህራ ከምዝኽእላ ተሓቢሩ። ብዝሒ ተምሃሮ ብዝምልከት ድማ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብዘቐመጦ መሰረት ኣብ ሓደ መምሃሪ ክፍሊ: ካብ 20 ክሳብ 25 ተምሃሮ ክምሃሩ ይኽእሉ። ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስተ ዙር ምስትምሃር ክጅምራ ከምዝግበር ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ምኽረ ሓሳባት፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ይካየድ ኣብዘሎ ዘተ ከምዝቐረበ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ። በዚ መሰረት ኣብ ወረዳታት ገጠርን ቀበሌታትን ዝርከቡ አብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙር ብ19 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም፡ ኣብ ኩሎም ከተማታት ዞባን ክልልን ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ኣብ ካልኣይ ዙር 16 ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ትምህርቲ ክጅምሩ ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ፍሉይ ዞባ ክልል አሮምያን ኣብ ሳልሳይ ዙር 30 ጥቅምቲ 2013 ትምህርቲ ክጅመር ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ። ሓፈሻዊ ፈተና ዝወስዱ ተምሃሮ 8ይን 12 ክፍልን ፈተና ክወሃቦምን: ሓፈሻዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ 22 ክሳብ 23 ሕዳር 2013 ዓ/ም ክፍተኑ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ። ነቲ ፈተና ዝወስዱ ድማ ሻውዓይ ክፍሊ ተማሂሮም ዝወድኡን ናይ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ፈረቓ ዝተኸታተሉን ክኾኑ ከምዘለዎም እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ። ብተወሳኺ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ዝወስዱ ድማ: 11 ክፍሊ ዛዚሞም ዝሓለፉን: ናይ 12 ቀዳማይ መንፈቕ ዝወድኡን ከምዝኾኑ ሓቢሩ። ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ካብ ሕዳር 28 ክሳብ 1 ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ክወሃብ እማመ ቀሪቡ'ሎ። ኮሮናቫይረስ፡ ቆልዑ ኣብ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ግደ ንተመራመርቲ ኣስደሚሙ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍንጫ ቆልዑ ክሳብ ሰለስተ ሰሙን ክጸንሕ ከም ዝኽእል ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ገሊጹ። ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ መርመራት ከም ዘርእይዎ መብዛሕትኦም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ቆልዑ ቀሊል ምልክታት እዮም ዘርእዩ፤ ወይ ዝኾነ ምልክት ኣየርእዩን። እዚ ዝተረኽበ ሓዲሽ መጽናቲ ግና ቆልዑ ክሳብ ክንደይ ነቲ ቫይረስ ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎ ከም ዘለዎም ከብርህ ክኢሉ ኣሎ። እቲ መጽናዕቲ ብቐንዱ ተማሃሮ ናብ ትምህርቲ ኣብ ዝምለስሉ እዋን ምሕላው ማሕበራዊ ርሕቐትን ጽሬትን እንታይ ዓይነት ተራ ከም ዝህልዎም ንምርኣይ እዩ ኣተኲሩ። ፕረዚደንት ሮያል ኮሌጅ ሕክምና ቆልዑ ፕሮፌሰር ራሰል ቫይነር ብዛዕባ ቆልዑን ኮቪድ-19 ሰለስተ ዝተፈላለዩ ግና ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ከም ዘለው ይገልጽ። ቆልዑ በቲ ቫይረስ ክልከፉ ከም ዝኽእሉ ርግጸኛታት እኳ እንተኾንና፡ ኣብ ጸረ-ታሕዋስ ዝተገብረ ናይ ደም መርመራ ከም ዘርእዮ ምስ ዓበይቲ ብምውድዳር፡ ብፍላይ ትሕቲ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ቆልዑ፡ በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ተኽእሎኦም ዝተሓተ ከምዝኾነ ፕሮፌሰር ቫይነር ይዛረብ። ብተወሳኺ፡ ቆልዑ፡ በቲ ቫይረስ እንተተለኽፉ'ውን ናይ ምሕማም ተኽእሎኦም ካብቶም በጽሒታት ዝተሓተ ምዃኑ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም እዮም። ብዙሓት ዝኾነ ምልክታት እቲ ሕማም ኣየርእዩን። ዛጊት እቲ ምሉእ መልሲ ዘይረኸበ እምበኣር እቲ ሳልሳይ ሕቶ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ደቡብ ኮርያ መጽናዕቲ ክምልሶ ፈቲኑ ኣሎ። እዚ ኣብ 91 ቆልዑ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ሒደት ወይ'ውን ፍጹም ምልክታት ዘየርእዩ ቆልዑ ክሳብ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ቫይረስ ክርከብ ከም ዝኽእል ይገልጽ። ክልለ ዝኽእል ቫይረስ ኣብ ኣፍንጭኦም ምጽንሑ፡ ነቲ ሕማም ከመሓላልፉ ከም ዝኽእሉ ዘነጽር ምዃኑ እቶም ተመራመርቲ ይገልጹ። በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉን ከም ዝግለሉ ዝተገበረን ቆልዑ ምስ ረኸቡ፡ ክሳዕ ካብቲ ቫይረስ ነጻ ዝኾኑ ብተደጋጋሚ መርመራ ተኻይዱሎም። ቆልዑ ነቲ ቫይረስ ክስከምዎን ናባ ካልኦት ከመሓላልፉ ተኽእሎ ከም ዘሎን ካብቲ መጽናዕቲ ዝተረኽበ ሓድሽ ሓበሬታ እዩ። ግናኸ ከምቶም ካልኦት መርመራት ዘይመለሶ ግድል ኣሎ። ኣብ ኣፍንጫ ሓደ ቆልዓ ቫይረስ ስለ ዝተረኽበ ጥራይ፡ ልክዕ ከም ዓበይቲ የመሓላልፉ ኣለው ንምባል እኹል መረጋገጺ ኣይኸውንን። ኣብ ሃገራዊ ሆስፒታል ህጻናት ዋሽንግተን ዲሲ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሕማማት ቆልዑ ዶክተር ሮቤርታ ደብያሲ፡ ቆልዑ እቲ ቫይረስ እንተለዎም "ኣብ ምትሕልላፍ ተራ የብሎምን ኢልካ ምሕሳብ ዘይመጎታዊ እዩ" ትብል። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሊቨርፑል ፕሮፌሰር ጥዕና ህጻናት ካሉም ሰምፕል ግና፡ "እቲ ቫይረስ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ምጽንሑ፡ ብፍላይ ኣብቶም ናይ ምስዓልን ምሕንጣስን ምልክታት ኣብ ዘይብሎም ሰባት፡ ምስ ምምሕልላፍ ክመዓራረይ የብሉን" ይብል። ኣብ ቆልዑ ኮነ ኣብ በጽሕታት፡ እቶም ሒደት ወይውን ፍጹም ምልክታት ዘየርእዩ - ማለት ዘይስዕሉን ነቲ ቫይረስ ናብ ኣየር ዘይዝርግሑን- ሰባት ብዙሕ ከየመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። ብሓፈሽኡ ድማ ቆልዑ ፈኲስ ምልክታት እቲ ሕማም እዮም ዘርእዩ። እንተኸነ ግና ካብቶም ምልክታት ዘየርእዩ ሰባት ብዙሓት ኣብ ምትሕልላፍ እቲ ሕማም ዓቢይ ተራ ክህልዎም ይኽእል እዩ። ከምቲ ፕሮፌሰር ቫይነር ዘነጸሮ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ዓጺኻ ምቕጻል'ውን ኣብ ምዕባለ እቶም ህጻናት፡ ትምህርቶምን ጥዕና ኣእምሮኦምን ናቱ ሳዕቤን ስለዘለዎ ተመራጺ ኣይኮነን። እቲ ቆልዑ ዝፈጥርዎ ስግኣት ንግዚኡ መዕለቢ ዘይረኸበ ሕቶ ኮይኑ፡ ምምላሱ ኣብ ምቁጽጻር ናይ መጻኢ ለብዕታት ኣገዳሲ እዩ። "መብዛሕትኦም ዝተለኽፉ ቆልዑ ፈኲስ ወይ ዘይልለይ ምልክታት ሕማም ስለዘርእዩ" ናብ ማሕበረሰብ ኣብ ምልባዕ "ኣገዳሲ" ተራ ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ ዶክተር ደብያሲ ሓቢሩ። ጆርጆ ድራር፡ "ናጽነት እንተሎ ሰብ ክማሃርን ክባላሓትን ይኽእል እዩ" ኣብ ጉዕዞ ህይወት፡ ጽንኩርን በዳህን ኩነታት ሓሊፎም ዝዕወቱ ውሑዳት ሰባት ኣይኮኑን። ከም ስደተኛ ኣብ ዘይፈልጡዎ ዓድን ሕብረተሰብን ተሰዲዶም፡ ማሕበራውን ባህላውን ብድሆታት ከምኡ'ውን ሻቕሎትን ጭንቀትን ስደት ተጻዊሮም፡ ንክዕወቱ ዝያዳ ሓላፍነትን ጻዕርን የድልዮም። ነቲ ዝተጓናጸፍዎ ዓወትን ዝረኸቡዎ ዕድልን ምስ ካልኦት ክካፈሉዎ እንከለው ከኣ ዕግበት ይስመዖም። ጆርጆ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብዙሕ ፈተና ዝረኣዩን ብብዙሕ ብደሆታት ዝሓለፉን ዓሰርተታት ኣሻሓት ኤርትራውያን ኮይኑ፡ ነቲ ዝተጓነፎ ብድሆታት ተጻዊሩ፡ ንህይወቱ ብትምህርቲ ኣዕጢቑ ፡ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ኮይኑ ንህዝቢ ብማሕበራዊ ሚድያ የስተምህር ኣሎ። እቲ ዝምህሮ ትምህርቲ ድማ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ህይወት ሰባት ዝሕግዙ ኣገደስቲ ዛዕባታት እዩ። ጆርጅ ድራር ኣብ ሓሊብ ጅሉጥ ዝተባህለ ገጠር ተወሊዱ ኣብ ከተማ ከረን ዓብዩ። ኣብ ከተማ ከረን ክሳብ መባእታ ትምህቱ ድሕሪ ምክትታል፡ ናብ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቱ ንምክትታተል ናብ ከተማ ደቀምሓረ ኣምሪሑ። ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቱ ድማ ኣብ ከተማ መንደፈራ ተኸታቲሉ። ካብ መባእታ ኣትሒዙ ኣብ ትምህርቱ ልዑል ተገደስነት ዝነበሮ ጆርጆ፡ ኣብ 2002 ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና፡ ናይ ዲግሪ ነጥቢ ረኺቡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ተጸንቢሩ። ኣርባዕተ ዓመት ተማሂሩ፡ ኣብ 2006 ብኣግሪካልቸራል ኢኮኖሚክስ ብዲግሪ ተመሪቑ። ካብ ንእስነቱ ኣብ ትምህርቱ ዕቱብ ምክትታል ዝነበሮ ጆርጆ፡ ብዘይ ትምህርቲ ሓደ ሰብ ከህልዎ ዝኽእል ቁም ነገርን ጽልዋን ኣዝዩ ትሑት እዩ ይብል። ኣገዳስነት ትምህርቲ ግን ክሳብ ብህይወት ዘለኻ ምሰኻ ዝነብር ዘይበርስ ሃብቲ እዩ ዝብል ኣመላኻኽታ ኣለዎ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ስደት ይኹን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ትምህርቱ ብዕቱብ ተኸታቲሉ። ድሕሪ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ፡ ብወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ዝህነጽ ዝንበረ ዲጋ ገርሰት ተመዲቡ። እቲ ተሰሪሑ ዝነበረ ዲጋ ወላ እኳ ኣዝዩ ሰፊሕ እንተነበረ፡ እቲ ዲጋ ብቴክለኖሎጂ ስለዘይተሰነየ ዘድሊ ቅድመ ኩነት ( ካች ኣፕ) ስለዘይተግበረሉ፡ ብዙሕ ልምዓታዊ ስርሓት ከሰላስል ኣይከኣለን። "እቲ ፕሮጀክት፡ ጽቡቕ ምሕደራን ቴክኖሎጀን እንተዝህልዎ" ይብል ጆርጆ፡ ዝህልዎ፡ ብፍርያቱ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ግደ ክጻወት ዕድል ከምዝነበረ ይሕብር። እንተኾነ፡ ዝበዝሐ ሰብ ኣብ ኤርትራ በቲ ዝተማህሮ ዓውዲ ዘይኮነስ መንግስቲ ኣብ ዝደልዮን ዝመደቦን ስለዝሰርሕ ብዙሕ ዕግበት ዝሰኣነ መንእሰይ ንስደት ኣምሪሑ። ጆርጅ እውን ኣብ መወዳእታ 2006 ንስደት ኣምሪሑ። ጆርጆ እውን ከም መሰልቱ መንእሰያት ካብ ኤርትራ ንሱዳን ኣትዩ ንኹሉ ጽንኩር ጽምእን ጥምየትን ተጻዊሩ፡ በተን ጽዒሩን ደኺሙን ዘዋህለለን ዝርካበን ገንዘብ ንኤውሮጳ ኣትዩ። ንሱዳን 50 ናቕፋ ጥራሕ ሒዙ ዝኣተወ ጆርጀ ምስ ካልኣዩ ዓርኩ ኮይኑ ተለቓቒሑ ቤት-ብልዒ ከፊቱ ህይወቱ ክሃንጽ ጀሚሩ። "ተበግሶን ትብዓትን እንተሎ ገንዘብ ይመጽእ'ዩ" ዝብል ጆርጅ ኣብ ሱዳን ደሓን ህይወት ክመርሕ እኳ እንተጀመረ ክመሃር ኣለኒ ዝብል ብርቱዕ ድሌት ስለዝነበሮ ንእስራኤል ክኸይድ ወሲኑ። ስዘይቀንዖ ግን ተታሒዙ ተኣሲሩ ንካርቱም ተመሊሱ። ከም ብሓዲሽ ድማ፡ ካብ ባዶ ኣብ ናይ ህንዳውያን ቤት-ትምህርቲ ከም መምህር ተቖጺሩ ስራሕ ጀሚሩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝተማህሮ ዓውዲ ድማ ኣብ ሱዳን ዋጋን ክብረትን ከምዘሎዎ ፈሊጡ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ'ውን ንኻልእ ዓዲ ከማዕዱ ጀሚሩ-ንኤውሮጳ ንክኣቱ ፈታኒ ጉዕዞ ሰሃራ ክሰግሮ ነይሩዎ። ኣብቲ እዋን፡ ድሮ መገዲ ሰሃራ ተለሚዱን ተጸኒዑን እኳ እንተነበረ ጽምእን ጥሜትን ግን ነይሩ። ስግኣት ሸፋቱ ሰሃራን ሲናይን ከኣ እቲ ዝዓበየ ነይሩ። "ሰብ ሽግር ጉዕዞ ሊብያ እዩ ዘዘንቱ፡ ንዓይ ግን ልዕሊ ሞት እተን ጨቐቕ ኢለ ዘዋህለልኩዎን ናይ ጉዕዞይ ገንዘብ ከይዝመት እሞ ሓዲግ መዲግ ተሪፈ ከይድረብ እየ ዝሰግእ ነይረ - ምኽንያቱ ማንም ክሕግዘኒ ዝኽእል ሰብ ስለዘይነበረ" ይብል ነቲ ዘሕለፎ ጭንቀትን መከራን እናዘከረ። "ኣብቲ እዋን ሰብ ንሊብያ ክኸይድ ጸሎት ይገብር ነይሩ። ኣነ ግና ግን ገንዘብ ክረክብ ጸሎት እገብር ነይረ። ሰብ ኣብ ባሕሪ ከይመወት ይፈርሕ ነይሩ። ኣነ ግን እተን ዘለዋኒ ገንዘብ ከይስረቓኒ እፈርሕ ነይረ" ይብል። እቲ ለይትን ቀትርን ኬድካ ዘይውዳእ፡ ወላ ሓንቲ ገረብ ዘይትርእዮ ጎላጉል ኣጻምእ ሳህራ ክሳዕ ክንድኡ ጽንኩር ምዃኑ ምንም ኣመት ከምዘይነበሮ ዝገልጽ ጆርጆ፡ እቶም ሰምሰርቲ/ደላሎ ናብቲ መራኽብ ዝነበረኦ ቦታ ክወስድዎም እንከለው ዝነበረ ዕግርግርን ከልበትበትን ብቃላት ክገልጾ ይጽገም። ኣብ መርከብ'ውን ኣስታት 300 ከምዝነበሩን፤ ኣብ ማእከሎም ድማ ጀሪካናት ናይ ነዳዲ ከምዝነበረን፡ እቲ ነዳዲ ፈሲሱ ኩሉ ስብ ኣብ ነዳዲ ኮፍ ኢሉ ምንባሩን፤ እዚ ድማ ነቲ ሰብ ብቐሊሉ ከጥፍኦ ተኽእሎ ከምዝነበረን ይሕብር። ዕድል ገይሩ ጆርጅ ንኤውሮጳ ምስ ኣተወ ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽረክብ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣቱ ፈቲኑ። ስለዘይሰለጦ ግን ናብ ሃገረ ስዊዘርላንደ ኣምሪሑ። ኣብ ስዊዘርላንድ፡ ስራሕን ትምህርትን ኣይርከብን እዩ ይበሃል ስለዝነበረ ድሌት ትምህርቱ ኣወንዚፍዎ እዩ ነይሩ። ጆርጆ፡ ኣብ ኤውሮጳ ክኣቱ ክብገስ እንከሎ፡ ኣምላኽ ነቲ ባሕሪ ብሰላም ከስግሮን ወረቐት ከውህቦን ይጽሊ ምንባሩ ነቲ ዝተረፈ ግን ባዕሉ ሰሪሑ ከጥርዮ ምዝኽእል እምነት ከምዝነበሮ ይሕብር። "ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዚሮ ክጅምር እንከሎኩ ጸቕጢ ነይሩኒ። ግን ብሕማቅ ኣይርእዮን እየ። ንስዊዘርላንድ ምስ ሓንቲ ስረ እየ መጺኣ። ካብ ታሕቲ ስለዝጀመርኩ ድማ ናብ ላዕሊ ገጸይ ክሰጉም ክኢለ። ብዝከኣለኒ ድማ ንቕድሚት ሰጒመ" ይብል። ኣብ ስዊዘርላንድ ትምህርቲ ጀሚሩ ኣብ ብሉጻት ዩኒቨርስታት ቀዳማይን ካልኣይ ዲግሪ ብእንግሊዘኛ ተማሂሩ። እቲ ዝነበሮ ዓዲ ናጽነትን ዕድላትን ስለዝኸፈተሉ ድማ፡ ነቲ ዝደልዮን ዝብህጎን ክሰርሕን ከማዕብል ጀሚሩ። እቲ ናጽነት ድማ ነቲ ንሱ ዝደልዮ ክገብር ብዘይ ገደብ ክጽዕር ተበጊሱ። ነዚ ኩሉ ዕድላት ዝሃቦ ሃገረ ስዊዘርላንድ ምስጋና ይግበኦ ከኣ ይብል። "እዚ ዓዲ ምስጋና ዘድልዮ ዓዲ እዩ። ብዙሕ ዕድልን ትምህርተን ናጽነትን ሂቦምና እዮም። ካብ ቦዶ መጺእካ ሰብ ትኾነሉ ዓዲ እዩ" ብምባል ከኣ የድንቖ። ጆርጆ ኣብ 2008 እዩ ንሃገረ ስዊዘርላንድ ኣትዩ። ንከባቢ 11 ዓመት ዝኸውን ድማ ኣብ ከተማ ባዚል ይነብር ኣሎ። ጆርጆ ትምህርቱ ምስ ወደኣ፡ ኣብ ስዊዝ ኣብ ዝርከባ ብሉጻት ኩባንያትታት ተቖጺሩ ክሰርሕ ጀሚሩ። ንሱ ኣብ ሆፍማንን ሮች (Hoffmann La Roche) ከምኡ'ውን ኣምናን (Ammann group) ዝተባህላ ኩባንያታት ሰሪሑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ናይ ፋይናንስ'ውን ገንዘብ ኣዋፊሩ ይርከብ። እዚ ካብ ዩኒቨርሲታትን ኩባንያታትን ዝቐሰሞ ተመኩሮን ዕድላትን ከኣ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ክካፈሎ ኣለኒ ብዝብል ጽቡቕ ሓሳብ ነቲ ምስትምሃር ጀሚርዎ። ኣገዳሲ ዛዕባ ዝብሎ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ስለዝምህር ከኣ ካብ ሰባት ኣወንታዊ ግበረ-መልሲ ከምዝረኸበ ይዛረብ። ጆርጆ ነቲ ዝረኸቦ ዕድልን ትምህርተን ምስ ህዝቡ ክካፈሎ ክሕግዝን ክምህርን ጀሚሩ። "ሕብረተሰብና ብዛዕባ ፋይናንስ ዝምህሮ እንተዘይረኺቡ ብቐሊሉ ክፈልጦ ኣይክእልን እዩ። ንሕና ተሰዲድና ገንዘብ ክንሕዝ ኣለና በሃላይ እየ። ሓላፍነታውያነ ኬንና ንስድራናን ንሃገርና ክንከውን ይግባእ" ከኣ ይብል። ብዙሐት ካብ ሰማዕቱ፡ ብዙሕ ፍልጠት ደሊብና ሓያል ለውጢ ከኣ ኣምጺእና ዝብሉ ኣለው። "ዝተፈላለዩ ሰባት ትምህርትኻ ይሕግዘና፡ ኣብ ግዜ ጭንቐት ድማ ከም መበራትዒ የገልግለና ኣሎ" ዝብል ኣወንታዊ ግብረ-መልሲ ከምዝህቡዎ ድማ ይዛረብ። "ሰባት ንኽትምህር ብዙሕ መጻሕፍቲ ከተንብብ ስለዝለካ ልዕሊ ኩሉ ሰብ ኣነ እየ ዝጥቀም ዘለኹ" ዝብል ጆርጅ፡ ነቲ ንህዝቢ ዘቕርቦ ትምህርቲ ባህ እናበሎ ከምዝገብሮ ብምቕሉል ትሕትና ይዛረብ። ኣብ ኤርትራ ሰላም እንተወሪዱ፡ እዚ ኣብ ዝፈላለየ ሃገራት ተሲዲዱ ዘሎ ዜጋ፡ ዕድል ረኺቡ ክምለስ እንተኽኢሉ፡ ነቲ ዝቐሰሞ ትምህርትን ፍልጠትን ነታ ሃገር ኣዝዩ ክሰርሓላን ከማዕብላን ከምዝኽእል ተስፍኡ ይግለጽ። ንሱ'ውን ነዚ ዝረኸቦ ፍልጠትን ተሞኩሮን ሒዙ ንሃገሩ ተመሊሱ ወናኒ ትካላትን ናይ ስራሕ ዕድላትን ክፈጥርን ትጽቢት ከምዘለዎ ይዛረብ። እቲ መንእሰይ ድማ ነቲ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ረኺብምዎ ዘሎ ናይ ስራሕን ፍልጠትን ዕድል ብግቡእ ክጥቀመሉ ይመክር። "ነዚ ኣብዚ ዓዲ ዝቐሰምክዎ ትምህርትን ፍልጠትን ኣብ ሃገረይ ብሰፊሑ ክሰርሐሉ'እየ" ድማ ይብል። ልዕሉ ኩሉ ግን፡ እዚ ኩሉ እንሓልሞን ዝተማሃርዮን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ናይ ስራሕን ትምህርትን ናጽነት ከምዘድሊ የተሓሳስብ። ኣብዚ እዋን ናቱ ትካል ከምዘማሓድርን፤ ነቲ ናቱ ጽልዋ ኣብ ሕበረተ-ሰብ ከዕብዮን ከምዝደል'ውን ገሊጹ። ንእንዳ ጓሓፍ፡ ከተማ ዘወቅብ ሓምላይ ከባቢ ዝቐየረት ሰናይት እዚ ቦታ፡ 'እማን ድዩ ብጻዕሪ ሓደ ሰብ ጥራይ ተሰሪሑ?' ኢልካ ንምእማን ኣጸጋሚ ክሳብ ዝኸውን ውቍብን ግሩምን እዩ ኰይኑ ዝርአ። እቲ ሓቂ ንሱ እዩ፤ ብሓንቲ ዕውትቲ ጓለንስተይቲ ብዝተገብረ ጻዕሪ ዝዀነ እዩ። እዚ ኣብ ሓጺር፡ ዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ዝዀነ ግን ኣይኰነን፤ ዓሰርታት ዓመታት ወሲዱ’ዩ። እታ ከተማ’ውን ከምዚ ዓይነት ኣዝዩ ምዕሩግ ቦታ ርእያ ኣይትፈልጥን። እዚ፡ ሙቐት ዝበዝሖ ኵነታት ኣየር ንዘለዋ ከተማ፡ ጥዑም ኣየር ዝርከቦ ከባቢ ኰይኑላ ኣሎ። ብዙሓት መሓዙትን ፍቝራትን ተራኺቦም ናይ ልቦም ዘዋግዑሉ፡ መርዑት ስነስርዓት መርዓኦም ዝጽንብሉሉ፡ ፕሮግራማት ልደትን ምረቓን ዝተኣናገደሉ፡ ህጻናት ከም ልቦም ዝዘልሉ፡ ቪድዮታት ሙዚቃ - ክሊፕ -ዝስርሓሉ፡ ብኡሳት ዝዕረቝሉ . . . ኮታ ብዙሓት ማሕበራዊ ጕዳያት ዝፍጸመሉ ማእከል እዩ። እዚ፡ ሓምላይን ጽሩይን ኰይኑ ዝተሰርሐ መዘናግዒ ቦታ፡ ነበርቲ ናይታ ኢንዳስትሪያዊት ከተማ ተባሂላ እትፍለጥ ኮምቦልቻ፡ ‘ኣሎና’ ዝብልዎ መዘናግዒ ቦታኦም’ዩ። ነዚ ዘግሃደት ከኣ፡ ኣደ ክልተ ቈልዑ ሰናይት ጋሻው’ያ። ሰናይት፡ ካብ ግዜ ቍልዕነታ ጀሚሩ ንተኽሊ ፍሉይ ፍቕሪ ነይርዋ። ልሙዕ፡ ሓምላይ ቦታ ምርኣይ ትፈቱ። ‘ከብዲ ጥራይ ዘይኰነ ዓይንና’ውን ይምገብ’ዩ’ ዝብል እምነት ኣለዋ። ስለ ዝዀነ፡ ደኺሙኒ እንከይበለት እትዅስኹሶም ኣትክልቲ፡ ካብ ገዛኣ ሓሊፎም ንሕብረተሰብ ከባቢኣ ዝጠቕሙ ክዀኑ ንምግባር ተበግሶ ወሲዳ። መንበሪ ገዛኣ ኣትክልቲ ዝበዝሖ’ዩ፣ ቀጽሪኣ ገዛኣ’ውን ከምኡ። ሰናይት፡ ትምህርቲ ሕርሻ ኣይተምሃረትን፤ ብዛዕባ ተኽሊ ዝረኸበቶ ሳይንሳዊ ፍልጠት’ውን የብላን። ልምዲ ምትካልን ምዅስኻስን ኣትክልቲ ግን ጸኒሑዋ እዩ። “ባህሪ እቲ ተኽሊ ንምፍላጥ እጽዕር’የ፤ ከም ሓኪም እንታይ ከም ዝዀነ’ውን ክሳዕ ክፈልጥ እኽእል'የ። እዚ ንዕኦም ካብ ዘለኒ ፍቕርን ልምድን ዝረኸብክዎ’ዩ። ከም ህጻን፡ እንታይ ይፈትው? እንታይ ይጸልኡ? እንታይ የሕሞም? እንታይ የድሕኖም? እንታይ የድሕኖም? ሓሲበ ይከናኸኖም” ትብል። ኣቦኣ መራሒ መኪና’ዩ ነይሩ፤ ንሱ ነቲ ሕጂ ዘለዋ ስብእና መሰረት ከም ዝዀና ትዛረብ። ኣብ ከተማ ደሴ ዝነብር ዝነበረ ኣቶ ጋሻው፡ መንበሪኡን ቐጽሪ ገዛኡን ብተኽሊ ዝማዕረገ እዩ ነይሩ። ናብ ዝዀነ ቦታ ክኸይድ እንከሎ’ውን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ኣትክልቲ ሒዙ ይምለስ። እዚኦም ብኣግባቡ ምስተተኸሉ፡ ሰናይት ሓደራ ይወሃባ። ንሳ ድማ፡ ማይ ምስታይን ምምዕራግን ሓላፍነት ነይርዋ። ኣብ ገዛኦም፡ ኵሉ ዓይነት ተኽሊ ምህላው ትዛረብ። ንመልክዕ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንመኣዛን መግብነትን ተባሂሎም ዝተተኸሉ ብዙሓት እዮም። ዓደስ፡ ጨና ኣዳም፡ ኣዝማሪኖ፡ ፕሪም፡ ኮክ፡ ኣፕልን ካልእን ኣለው። ሰናይት ተመሃሪት 12 ክፍሊ ምስ ኰነት ግን ወለዳ ስለዝሞቱ፡ ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋታ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ባዕላ ተሰኪማቶ። በዚ ምኽንያት፡ ትምህርታ ክትቅጽል ኣይክኣለትን፤ ሓዳር ገይራ፡ ንኣሕዋታ ከተዕቢ ጀሚራ። እቲ ንተኽሊ ዘለዋ ፍቕሪ ግን ልክዕ ከም ትምህርታ ኣይተሰናኸለን። በዓል ቤታ፡ ተኽሊ ዝፈቱን ዝንከባኸብን ምዃኑ ድማ ምትብባዕ ፈጢሩላ። “ኣብ ገዛ ንዝትከሉ ኣትክልቲ ፍሉይ ፍቕሪ ኣለኒ” እትብል ሰናይት፡ እዚኦም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንምእካብ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝኣትው ኣትክልቲ ገዚእካ ንምብዛሕ ልዕሊ 20 ዓመታት ከም ዝወሰደላ ገሊጻ። እዚ ልምዲ ናብ ካልኦት ንምክፋል፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ዝትከሉ ኣትክልቲ ክትሸይጥ ጀሚራ። ይዅን’ምበር፡ እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ክንድ’ቲ እትደልዮ ለውጢ ከምጽእ ኣይርኣየቶን። “እቶም ዘቕርቦም፡ ኣትኽልቲ ተተኺሎም ዝጸድቁ ኣይመስሎምን ነይሩ” ትብል። ነዚ ብተግባር ንምርኣይ ክኣ፡ ኣብቲ እትሸጠሉ ከባቢ ንእሽቶ ተኽሊ ምትካል ትጅምር። ሰባት ክገዝኡ ክመጽኡ እንከለው ድማ፡ ኣየናይ ናይ ኣየናይ ውጽኢት’ዩ ዝብል ብተግባር ከተርእዮምን ኣተሓሕዛኡ ከተረድኦምን ጀሚራ። ኣብቲ ከባቢ ሓምለዋይ መዘናግዒ ቦታ ስለ ዘይነበረ፡ ብዙሓት ሰባት ናብዛ ሰሪሕካ ምርኣይ ኢላ ዘዳለወታ ቦታ ብዙሓት ስእሊ ክስኣሉ ክመጽኡ ጀሚሮም። “መርዑት ከይተረፈ ክመጽኡ ጀሚሮም፤ ድልየት እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ልዑል ኰይኑ” ዝበለት ሰናይት፡ ኣብ ስፍሕ ዝበለ ቦታ ከተልምዕ ጀሚራ። ምምሕዳር እታ ከተማ መሬት ንኽህባ ድማ ብተደጋጋሚ ትሓትት። ድሕሪኡ፡ ጐሓፍ እታ ከተማ ንክድፍኣሉ ዝተሓረየ ቦታ ተዋሂቡዋ። እዚ፡ ኣብ ከባቢ ሩባ ቦርከና ዝርከብ ሸህ ሻቢር ዝበሃል ከባቢ እዩ። ንሳ ግን፡ እዚ ዝዀነ ዓይነት ትሕተ ቕርጺ ዘይብሉ፡ ጓሓፍ ዝድፍኣሉ ቦታ ምዃኑ ልባ ኣይሰበሮን፣ ጉልበታ'ውን ኣየድከሞን። ኣብ ኢዳ ገንዘብ ኣይነበራን፣ በዚ ግን ኣይተሰናበደትን። “ኢደይን እግረይን ጥራይ ሒዘ’የ ስራሕ ጀሚረ” ትብል። ነቲ ከባቢ ኣጽርያ፡ ካብቲ ሩባ ማይ ብምስሓብ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ቀጽሪ ገዛኣ ዝኣከበቶም ኣትክልቲ ኣውጺኣ፡ ባዕላ ብዝቐየሰቶ መልክዕ በቦታኦም ኣትሒዛቶም፤ እቲ ጻዕሪ ግን ቀሊል ኣይነበረን። ቤተሰባ፡ ብስርሓ ሕጕሳት እንተዀኑ’ውን በቲ እትኸፍሎ ዝነበረት ዋጋ ቅር ይብሎም ነይሩ። ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ’ውን ኣይትድከሚ፡ ኣይልወጥን እዩ ይብላ ነይሩ። “ኣጆኺ! በርትዒ” ዝበሉ ግን ኣይተሳእኑን። ንሳ ግን፡ ኢዳ ኣይሃበትን። እቲ ከባቢ ካብታ ከተማ ውጽእ ዝበለ ስለ ዝነበረ ጥራይ፡ 'ሰብ ኣይመጾን እዩ ዝኸውን' ዝብል ስግኣት ነይርዋ። እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብዙሓት ሰባት ዝእንገዱሉ ቦታ ኰይኑ፤ ኣብ መወዳእታ እቲ ብፍቕሪ ዝጀመረቶ ስራሕ መብልዒ እንጀራኣ ኰይኑ። እዚ መዘናግዒ ቦታ፡ ኣብ 20 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ ዝተደኰነ እዩ። እቲ 10 ሽሕ ብማይ ተጓሕጒሑ ጸድፊ ዝነበረን ብጻዕራ ዝተዓቀበን ከም ዝዀነ ትዛረብ። ንሳ ከም እትብሎ፡ እቲ መዘናግዒ ቦታ ኣብ ሓደ ግዜ 15 ጽንብል መርዓ ከአንግድ ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ፡ ብጻዕሪ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝተጀመረ መዘናግዒ ቦታ፡ ሕጂ 50 ሽሕ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ኣለውዎ። ግዝያዊ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረሎም’ውን ኣለው። “ብዙሓት ሰብ ሞያ መንእሰያት ኣፍሪናሉ፣ ኣተሓሳስባ ሰባት ቀይርናሉ ኢና። ጓሓፍ ንክጸሪ፡ ሆቴላት ሓምላይ ንክዀኑ ኣብነት ኴንና ኢና” ትብል። እዚ ስራሕ ብቐጻሊ ናብ ካልኦት ከተማታት ከተስፍሖ መደብ ኣለዋ። በዚ ስርሓ፡ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኮምቦልቻ ዋንጫን ምስክር ወረቓቕትን ተበርኪቱላ እዩ። ፊሊፒንስ፡ ነትጒ ድጉል እሳተጎመራ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣብ ሃገረ ፊሊፒንስ ዝርከብ እሳተጎመራ፡ ሓዊ (ላቫ) ክተፍእ ብምጅማሩ፡ መርዛም ትኪ ክንዛሕ ምዃኑ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣጠንቂቖም። ሰኑይ ወጋሕታ፡ ካብቲ ኣብ ታል ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ እሳተጎመራ፡ ትሑት ደረጃ ዘለዎ ላቫ ንደገ ክልሑኽ ጀሚሩ። እቲ ቦታ፡ ካብ ርእሰከተማ ማኒላ ንደቡብ፡ ኣስታት 70 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ'ዩ። ኣቐዲሙ ኣብ ዝነተጎሉ እዋን፡ እቶም ኣስታት 8000 ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክፈናቐሉ ኣገዲዱ ነይሩ። እሳተጎመራ ታል፡ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ንጡፋት (ብቐጻሊ ዝነትጉ) ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ምዃኑ ይግለጽ። ሰብመዚ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ኣውራጃ ባንታንጋስ ብሰንኪ'ዚ ናይ ሕጂ ነትጒ "ናይ ሓደጋ እዋን" ኣዊጆም ኣለዉ። ብሰንበት፡ ብነጎዳ ዝተሰነየ ዓንዲ ትኪ ካብቲ ቦታ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ከባቢ ታል ጥራይ 75 ግዜ እሳተጎመራ ከም ዝነቶገን፡ 32 ካብኣቶም ኣብ መበል 2ይ ደረጃ ዝስርዑ ምዃኖም ጸብጻባት ይጠቕሱ። ኪኢላታት እሳተጎመራ፡ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ካብ ሰለስተ ናብ ኣርባዕተ ክብ ኣቢሎሞ ኣለዉ። እቲ ዝለዓለ መጠንቀቕታ 5 እዩ። እቲ ኩነታት "እሳተጎመራዊ ሱናሚ" ከስዕብ ከም ዝኽእል'ውን ሰብመዚ'ታ ሃገር ኣጠንቂቖም ኣለዉ። ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብታ ሃገር ሰላም ከስፍን ኮሚቲ ኖበል ሰላም ተማሕጺኑ ኮሚቲ ሽልማት ኖበል ሰላም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ደው ብምባል ሰላም ኣብ ምስፋን ፍሉይ ግደ ክጻወት ጸዊዑ። እቲ ንሽልማት ኖበል ዝህብ ኮሚቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ። "እቲ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣብ ሕማቕ ኩነታት'ዩ ዘሎ፡ እኹል ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ተጸበይቲ ዘይምእታዉ'ውን ቅቡል ኣይኮነን" ክብል እቲ ኮሚቲ ሓቢሩ'ሎ። ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ እዉጅ ዘይኮነ ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ዕጽዋ ኣንቢሮም ኣለዉ ክብል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ። ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብ ትግራይ ካይኣቱ ከምዘይከልከሉ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕንቅፋት ምዃኖም'ዮም ክምጉቱ ጸኒሖም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ቦታታት ኣብ ዝተኻየዱ ደብዳባት ነፈርቲን ድሮናትን ብውሕዱ 76 ሰባት ከምዝተቐትሉ ጸብጻባት ሓቢሮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየዱ ደብዳባት ዝሃቦ ግብረመልሲ'ኳ እንዘየለ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን ንሲቪላውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብሩ'ዮም ዝገልጹ ነይሮም። ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚቲ በሪት ረኢስ-ኣንደርሰን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተመሳሳሊ ቅሬታ ከምዘስምዐ'ውን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጠቒሱ። "ከም ቀዳማይ ሚኒስተርን ሽልማት ሰላም ከምዝተዓወተን መጠን ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ኲናት ከብቅዕ ኣብ ምግባርን ሰላም ከስፍንን ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዉ" ክብል እቲ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኮሚቲ ዝወጸ መግለጺ ኣነጺሩ። እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዝተዋህቦ ሽልማት ኖበል፡ ቅቡል ትጽቢታት ዘንብር ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ መገለጺ፡ ኣብዪ ኣሕመድ በቲ ምስ ኤርትራ ዝገበሮ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሃገሩ ደሞክራስን ሲቪላዊ መሰላትን ክሰፍን ሓፈሻዊ ተበግሶታት ብምውሳዱን ነቲ ሽልማት ከምዝበቕዐ ኣዘኻኺሩ። እቲ መግለጺታት ካብ ምሃብ ሕዩብ ዝኾነ ኮሚቲ፡ ከምዚ ዓይነት ነቐፌታ ከውጽእ ንቡር ኣይኮነን። ኣስዒቡ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕባለታት ቀጻሊ ርእይቶታት ክህብ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ኮሚቲ ኖበል ሰላም ሓቢሩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ቅትለትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ። ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርታት ከካይዱ ምንሖም ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ክሳብ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ኣይተኻእለን ዘሎ። ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ብፍላይ መዋስንቲ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ውግኣት ይካየድ ምህላዉ ይንገር። ብሰንኪ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታት ናይቲ ከባቢ፡ እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ። ኤርትራውያን ካብ ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ 43 ሰባት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱንዚያ ጥሒሎም ኣብ ገምገም ባሕሪ ቱኒዝያ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተሳፈሩላ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ፡ 43 ተጓዓዝቲ ከምዝጠለቑ ማሕበር ቀይሕ መስቀል እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እቶም ስደተኛታት ዙዋራ ተባሂላ ካብ እትፍለጥ ወደብ ተበጊሶም ንባሕሪ ሜዲትራንያን ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ይፍትኑ ከምዝነበሩ ተገሊጹ’ሎ። ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቱኒዝያ፡ ሞንጊ ስሊም ነቲ ተጓንፉ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጉጅለ ባሕረኛታት ቱኒዝያ ን84 ተሳፈርቲ ስደተኛታት ካብ እቲ ሓደጋ ከምዘድሓኑ ሓቢሩ። እዋናዊ ወቕቲ ስለዝተመሓየሸ ቁጽሪ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ይውስኽ ከምዘሎ ይግለጽ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቱኒዝያ ከምዝብሎ፡ እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ለይቲ ከም ዝተበገሰት ዝንገረላ ጀልባ፡ ካብ ሃገራት ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ሱዳንን ባንግላድሽን ዝመጽኡ ስደተኛታት እያ ጽዒና ነይራ። ሞቶር ናይታ ጀልባ ስለዝተበላሸወ ሓደጋ ከምዘጋጠማ ድማ ተፈሊጡ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቱኒዝያ ብወገኑ፡ እቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ወደብ ዛርዚስ፡ ዝደሓኑ ተጓዓዝቲ ዕድሚኦም ካብ 3 ክሳብ 40 ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ሓደ ናይቲ ከበቢ ራድዮ ከምዘቃለሖ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቱኒዝያ ኣድላይ ዝበሃል ዝስተን ዝብላዕን ዘቕረበሎም ኮይኑ፡ ንግዚኡ ናብ መጽንሒ ማእከል ኮቪድ ከምዝኣትዉ ተሓቢሩ። ሊብያ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ሰባት ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር ኮይና ምጽናሓ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ቱኒዝያ’ውን ሎሚ ሎሚ ካልእ መስመር መተሓላለፊት ስደተኛታት ትኸውን ከምዘላ ተገሊጹ። ነዚ’ውን ፡ መንግስቲ ቱኒዝያ፡ ንሕብረት ኣውሮጳ እቲ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ኣፍሪቃ ድኽነት ኣብ ምንካይ ቆላሕታ ገይሩ ክሰርሕ ሓቲቱ ዘሎ። መንግስቲ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝን ዕጡቕ ጉጅለን ሰነድ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብቲ ብተደጋጋሚ ጥቕዓት ዝፍፀመሉ ዞባ መተከል ዘሎ ፀገም ፀጥታ ብዘላቕነት መፍትሒ ንምምፃእ፡ መንግስቲ እቲ ክልል ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ሰነድ ስምምዕ ከምዝተፈራረመ ተገሊፁ። እቲ ስምምዕ ትማሊ ኣብ ከተማ ግልገል በለስ ከምተፈራረሙ ድማ፡ መምርሒ ኮምዩኒኬሽን ዞባ መተከል ኣፍሊጡ። ፀገም እቲ ከባቢ ብዘላቕነት ንምፍታሕ፡ ብወገን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝለዓሉን ሓባራዊ ኣብ ዝገብሩ ጉዳያትን ከምዝተፈራረሙ እዩ፡ ተገሊፁ ዘሎ። እዞም ሓይልታት ናይ ሓላፍነት ቦታ ንክረኽቡ ምግባር፣ ናይ ከተማ መስርሒ ቦታን ናይ ገጠር ናይ ሕርሻ መሬትን ንክህልዎም ምግባርን ዝብሉ፡ ኣብዚ ሰነድ ካብ ሞንጎ ዝተኻተቱ ቀንዲ ጉዳያት እዮም። ዓቕምን ደረጃ ትምህርትን መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከምዝምደቡ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፡ ብብርኪ ክልል ክልተ፣ ብብርኪ ዞባ ሰለስተን ብብርኪ ወረዳ ከኣ ኣርባዕተ ሰባት፡ ኣብ ሓላፍነት ቦታ ከምዝቕመጡ ተገሊፁ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ልምዲ ዘለዎም ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ኣብ መሓውር ፀጥታ እቲ ክልል ክምደቡ፣ ደቂኣንስትዮ ብምስታፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ክውደባ ምግባር፣ ብዝተምሃርሉ ዓውዲ ትምህርቲ ንክምደቡን ኣገልግሎት ልቓሕ ክረኽቡን ዝብሉ ሓሳባት'ውን፡ ኣብቲ ውዕሊ ተኻቲቶም እዮም። ዋላ'ኳ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብስም እንተዘይተፀርሐ፡ ስልጠና ተሃድሶ ይወስዱ ምስ ዘለዉ ኣባላት ከምዝኾነን ብወገን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ዝለዓሉ ሕቶታት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕን፡ ዲሞክራስያዊ ብዝኾነ መገዲ ፍታሕ ንምሃብ ስልጠና ከምዝወስዱን፡ እቲ መግለፂ ሓቢሩ። ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ነቲ ክልል ብምውካል፡ ኣይተ ኣጀግናማው ማንግዋ ድማ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብምውካል እዮም፡ ነቲ ውዕል ተፈራሪሞም። እዚ ሰነድ ስምምዕ ብዘይገለ ምጉታት ተግባራዊ ከምዝኾን ዝገለፀ እቲ ርእሰምምሕዳር፡ ነዚ ምስኽዑን ነቲ ስራሕን ብቐረባ ንምክትታልን፡ ካብቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሰለስተ ኣባላት ዘካተተ ግዝያዊ ቤት-ፅሕፈት ኣብ ከተማ ግልገል በለስ ከምዝተጣየሰ ኣፍሊጡ። እቲ ርእሰምምሕዳር ነቶም ብሰላም ዝኣተዉ ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ "ኣምባሳደር ሰላም" ኢሉ ዝፀወዖም እንትኾን፡ ናብ ሰላም ዘይመፅኡ ኣባላት ዕጡቕ ጉጅለ ናብ ሰላማዊ መገዲ ክመፅኡ ክፅዕሩ ፀዊዑ። ኣብ ዘቦ መተከል ቁፅሪ ኢዶም ዝሃቡ ዝተብሃሉ ኣባላት ዕጡቓት ጉጅለ፡ 3 ሽሕን 230 ከምዝኾነ ዋልታ ምፅብፃቡ ይዝከር። ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ኣብ ዝዳቦ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ መተከል፣ ካማሺን ኣሶሳን ዝበሃሉ ሰለስተ ዞባታት ይርከቡ። ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዞባታት፡ ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ ብዕጡቓት ብተደጋጋሚ ዝፍፀሙ "መጥቃዕትታት"፡ ብዙሓት ሰባት ንሞትን ምምዝባልን ከምዝተሳጥሑ ይዝከር። ካብ ሞንጎ እዚኦም ንነዊሕ እዋን መጥቃዕቲ ክፍፀመሉ ከምዝፀንሐ ኣብ ዝግለፅ ዞባ መተከል፡ ኮማንድ ፖስት ካብ ዝጣየሽ ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዞባ መተከል፣ ወረዳ ቡለን፣ ቀበሌ ኩጂ ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ "መጥቃዕቲ" ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐተሉ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል እታ ሃገር ሓዊሱ፡ ሰብመዚ እቲ ክልል ገሊፆም ኔሮም። ኣብዝን ኣብ ካልእን ዝተፈፀሙ ቅትለታት ስዒቡ ሓይልታት ፀጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ኢድ ኣለዎም ዝተብሃሉ ኣብ መሓውር መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ዝርከቡ ኣመራርሓታት፡ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን ብዙሓት ዕጡቓት ከምዝተቐተሉን ተገሊፁ ኔሩ። ንሕርሻ ዝውዕል ሰፊሕ ልሙዕ መሬት ዘለዎ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ እቲ ንዓመታት ዝቐፀለ፡ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ዘዋጥጥ ዘሎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝርከበሉ ከባቢ እዩ። ኣብቲ ክልል ኣስታት 1 ነጥቢ 1 ሚልየን ህዝቢ ከምዝርከብ፡ ዩኒሴፍ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዘውፅኦ ሓበሬታ የመላኽት። ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ 'ግቡእና ነበርክት ኣለና' ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዘካይዶ ቃለመሕትት ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ከምዘገድሶ ተዛሪቡ። "ንሕናው'ን ካብ ካልኦት ህዝብታት ብዝተፈልየ ድሕሪ 80 ዓመታት ሽግር ዝራኣናሉ ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቅሳነትን ርግኣትን ካብ ካልኦት ህዝብታት ናይዚ ጎዶቦ ዝያዳ የገድሰና። "ብኡ መጠን ከኣ ግዴታና ግቡእና ከነበርክት ኣለና ኢልና ንሰርሕ ኣለና" ክብል ንተራ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ኢትዮጵያ ገሊጹ። እንታይ ዓይነት ኣበርክቶ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን። ብዛዕባ ወታሃደራዊ ምትእትታው ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ግን ዝኾነ ንጹር ሓበሬታ ኣይሃበን። ኣብ ፈለማ 2020 ኣብ ዝገበሮ ተመሳሳሊ ቃለመሕትት'ውን ''ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና ኮፍ ክንብል ኣይንኽእልን" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ። ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ኢትዮጵያ ከተውጽእ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር። ገለ ሰብመዚ ኢትዮጵያ'ውን ብዛዕባ ህላወ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ክዛረቡ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ግጭት ብህወሓት ዝተጀመረ ምዃኑ ብምምጓት፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዝ ዝወሰድዎ መጥቃዕቲ "ዕብዳን'ዩ" ክብል ገሊጽዎ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽንሖም፡ ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም። ህወሓት ድማ፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ኲናት፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብቲ ክልል 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም'ውን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ካልእ'ከ እንታይ ኢሉ? ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ምኽፋት ዶብ ኦምሓጀር ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ስለምንታይ ወታሃደራዊ ምድላዋት ትገብሩ ኣለኹም፡ ኣየድልን'ዩ" ከምዝበሎ'ውን ተዛሪቡ። ዶ/ር ደብረጽዮን ብድሕሪ'ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካልኣይ ግዜ ክራኸቡ ከምዝተሰማምዑ ተዛሪቡ ነይሩ። ብዛዕባ'ቲ ዝተዘራረብሉ ነገራት ግን ኣይጠቐሰን። ህወሓት ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተጀመረ ሓድሽ ዝምድና ከምዝዓንቀፈን፡ ጉዳይ ዶብ ከይለዓል ምኽንያት ምንባሩ'ውን ከሲሱ። ህወሓት ብወገኑ፡ እቲ ድሕሪ ሓምለ 2018 ዝመጸኣ ሰላም ንዕኦም ዘወገነን፡ ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ጥራይ ዝተሓጽረ'ዩ ነይሩ ብምባል ክነቕፉ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ ኣሎ ክትብለሉ ዝጸንሐት ከም ብዓል ባደመ ዝበሉ ኣሰሓሓብቲ ቦታታት ተቖጻጺራቶም እንተኾይና'ውን ኣይተዛረበን። እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ግድብ ሕዳሰ ንዘሎ ምስሕሓብ ይኹን፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ዶባዊ ምትፍናን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ነባሪ ዝፍታሕ ክረከብ ከምዘለዎ'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጠቒሱ'ሎ። እቶም ምስሕሓባት፡ ብሓደ ናይ ወጻኢ ምትእትታውን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ረብሓታትን ዝተተሓሓዙ'ዮም ድማ ኢሉ። ነቶም ናይ ወጻኢ ምትእትታዋት ዝበሎም ግን መን ምዃኖም ኣይጠቐሶምን። ኣብ መወዳእታ እቲ ፕረዚደንት፡ ህዝቢ ኣብ ጸጥታዊ፡ ልምዓታዊ፡ ጥዕናዊን ካልኦት ዓውድታትን ክኸትት ጸዊዑ። "ኣብ ዝተፈላለዩ ክመጽኡ ዝኽእሉ ምዕባለታት ዞባዊ ኩነታት ክተት፡ ዕጥቅኻ ሸጥ ኣብል" ኢሉ። ቅልውላው ትግራይ፡ ንህይወቶም ዝሰግኡ ኢትዮጵያውያን ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብሰኑይ ኣብ ልኡኽ ምኽባር ሰላም ደቡብ ሱዳን ተዋፊሮም ዝጸንሑ ገለ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ናብታ ናብ ሃገሮም ክትመልሶም ተዳልያ ዝነበረት ነፋሪት ክኣትው ፍቓደኛታት ከይኮኑ ተሪፎም'ዮም። እዚኦም ተወለድቲ ትግራይ ኮይኖም፡ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ግዳያት ማእሰርትን ምንክልባትን ክንክውን ኢና ኢሎም ከም ዝሰግኡ እዮም ይዛረቡ። ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ተጋሩ ዝኾኑ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ታኣሲሮምን ኣካላዊ ማህሰይቲ በጺሑዎምን" ክብል ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ። ነዚ ስዒቡ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ኢንዶክትርኔሽን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል መሓመድ ተሰማ ብሰሉስ ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ 'ኣካላዊ መጥቃዕቲ' እቶም ዓቀብቲ ሰላም ዝሃቦ ርኢይቶ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቶም 15 ወተሃደራት ግን "ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጁባ ፈፈው ብምባልን ብምውጫጭን ህውከት ክፈጥሩ ፈቲኖም" ክብል ነቒፉ። ክሳብ ሰሉስ ብዝነበረ ሓበሬታ፡ 15 ኣባላት እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን'ዮም ዘለው። ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣባላት እቲ ልኡኽ ምኽባር ሰላም ዝነበሩ ወተሃደራት ግዳያት ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕቑባ ከም ዝሓተቱ ዝገልጽ እቲ ኮሎኔል፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእን ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት መግብን ዘለዎም ስክፍታ ብምንጽብራቖም ከም ዝሰግኡ ተዛሪቡ። "ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ዝነበሩ እንፈልጦም ብጾትና ክእሰሩ ርኢና ኢና። እቲ መንግስቲ ብዘይውዓልናዮ ነገር'ዩ ዝኸሰና። ካብዚ ምኽባር ሰላም ዝተመልሱ ገለ ልኡኻት ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ይርከቡ። እዚ ኩሉ'ዩ ንህይወትና ክንሰግእ ገይሩና" ይብል። እቲ ምኽንያት ወሲኹ፡ "ዕጥቅና ኣፍቲሖምና፤ ኣብ ውሽጢ 'ካምፕ' [መዓስከር] ብተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝኾኑ ወተሃደራት ንሕሎ ነይርና" ኢሉ። ካልእ ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕቑባ ዝረኸበ ወተሃደር ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንነጀው ምንቅስቓሶም ምክትታል ይግበሮ ምንባሩ ገሊጹ። "ብብሄርና ምኽንያት ልክዕ ከም ጸላኢ ተራኢና ኩሉ ምንቅስቓሳትና ተደሪቱ ኣብ ትሕቲ ምክትታል ጸኒሕና። ምስ ሰብና ኣይንራኸብን፣ ካብ ክልተ ንላዕሊ ከፍ ከይትበሉ ተባሂልና፣ ነጻነትና ተሓዲግና ኢና ነይርና። ሚዲያ ካብ ናይ መንግስቲ ወጻኢ ካልእ ክንሰምዕ ኣይፍቀድን፤ ሙሉእ ነጻነትና ስኢንና" ክብል ይዛረብ። ኣብ 3 ሕዳር 2020፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ግን፡ ፌዴራል መንግስቲ "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ። ህወሓት፡ ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝተቖጻጸሩዎ፡ ሓይልታት ፌደራል ናብ ትግራይ ከይኣትዉ 'ቀዲሞም ንምክልኻል' ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። እቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን፡ መንግስቲ ፌደራል ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ መደብ ወጺኡሉ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ምስ ኣናውሖ እናኸረረ ምምጽኡ ይዝከር። ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ዱጃሪክ ብሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ተጋሩ ወተሃደራት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ድልየት ከም ዘይብሎም ብምግላጽ "ዝኾነ ዓለምለኻዊ ሓለዋ ዝደሊ ሰብ ዑቕባ ክሓትት መሰል ኣለዎ፤ ጉዳዮም ከኣ ብቐረባ ንከታተሎ ነይርና" ኢሉ። ወሲኹ ድማ "ህይወቶም ወይ ድማ ናጽነቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ እንተደኣተሰሚዕዎም" ናብ ዓዶም ናይ ዘይምምላስ መሰል ኣለዎም ክብል ተዛሪቡ። እቶም ሕጂ ዕቑባ ረኺቦም ዘለው ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ውሑስ ኩነታት ምህላዎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ 15 ኣባላት ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ናብ ሃገር ኣይንምለስ ኢሎም ምእባዮም ከረጋግጽ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ ዝነበሩ 169 ብሓደሽቲ ልኡኻት ክትትክኦም መደብ ከም ዝነበራ ገሊጹ። ዳይረክተር ዳይሮክተሬት ኢንዶክትርኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሜ/ጀነራል መሓመድ ተሰማ፡ ነቶም ወተሃደራት "ምስሊ ኢትዮጵያን እቲ ሰራዊትን ይዘርጉ" ነይሮም ክብል ከሲሱ። ብተወሳኺ፡ እቲ ሕቶ ዕቑባ እቶም 15 ወተሃደራት ዝተቐበለ ዩኤንኤችሲኣር "ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርግሑ" ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎም ክብል ከሲሱ። ከም ሓበሬታ እቲ ኮሎኔል እንተኾይኑ፡ ልዕሊ 200 ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ጸኒሖም። ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስትፋኒ፡ እቶም ናብ ዓዶም ኣይንምለስ ዝበሉ ተጋሩ ካብ ሞንጎ እቶም ካብ ደቡብ ሱዳን ወጺኦም ብኻልኦት ክትክኡ ዝተሓሰበ 169 ኢትዮጵያውያን ዓቀብቲ ሰላም'ዮም ኢሉ። እቲ ውድብ ካብ ዘለውዎ 17 ሽሕን 200 ወተሃደራት፣ ፖሊሲን ሲቪላትን፡ እቶም 2100 ኢትዮጵያውያን'ዮም። ብሰኑይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ዕቑባ እቶም 15 ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ከም ዝተቐበሎም ገሊጹ። ካልኦት ኣርባዕተ ድማ፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ "ኣካላዊ መጥቃዕቲ" በጺሑዎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተው እቲ ኮሎኔል ሓቢሩ። ወጥሪ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብኸመይ'ዩ ናብዚ ዘለዎ ዓሪጉ? ኣብዚ ሰሙን፡ ናብ ዝሓለፈ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ኣብ መቐለ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ምክልኻል ሃገርን ጎንጺ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ብምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ብሮቡዕ ምሸት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዕውት ስርሒት ከምዘተኻደ ተዛሪቡ። እቲ መጥቃዕቲ ተፈኒውዎ ዝብሃል ሰራዊት ምክልኻል ሰሜን እዚ ኣብ ጎኑ ከም ዝተሰለፈ ዝገልጽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኲናት ብወገን ምዕራብ ትግራይ ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ከተማ መቐለ ድማ፡ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ሓንቲ ነፋሪት ቦትኡ ኣብ ዘየነጸሮ "ከባቢ መቐለ ደንዳብ ኣካይዳ" ዝብል መግለጺ ብርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ዝተዋህበ መግለጺ ብክልላዊ ቴሌቭዥናት ተቓሊሑ። እንተኾነ፡ ብገለልተኛ ምንጪ ኣይተረጋገጸን:: ርእሰ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ: ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሕዳር 2 2013 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) "መንግስቲ ፈደራል ሓይሊ ክጥቀም ይዳሎ ኣሎ" ብምባል ህዝቢ ትግራይ ንመኸተ ክዳሎ ጸዊዑ ነይሩ። ኣብቲ ንመንግስታዊ ሚድያታት ጥራሕ ዝተዋህበ መግለጺ ዶክተር ደብረጽየን፡ "ንሕና ምስ ፈደራል ዘሎና ጉዳይ ብሰላም ክንፈትሖ ኢና ንደሊ። ግን ከኣ ነብስና ንምክልኻልን ኲናት እንተጋጢሙና ከኣ መኪትና ንምስዓር ብዝከኣለና ተዳሊና ኣለና" ኢሉ። ወሲኹ፡ "ኣብዪ ኣሕመድ ዝኾነ ኲናት ኣብ ዘይብሉ ዓዲ፡ ንመላእ ሓይልታት ምክልኻል ክዳሎ ኣዚዙ" ብምባል ይዳሎ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ምስ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ብሕግን ሕጋዊ መዳይን ጥራሕ ክፈትሖ ምዃኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣነጺሩ ነይሩ። ቅድም ክብል'ውን፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ መረጻ 'ዘይሕጋዊ' እዩ ብምባል፡ እንተኾነ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ በዚ ምኽንያት ናብ ኲናት ከምርሕ ድሌት ከም ዘይብሉን ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ከም ዝደልን ገሊጹ'ዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ትግራይ መረጻ ምስ ተኻየደ፡ እቲ መረጻ ዘይሕጋውን ዘይጸንዕን እዩ ኢሉዎ ዝጸንሐ ባይቶ ፌደሬሽን ነቲ ሓድሽ ቤት ምኽርን ፈጸምቲ ኣካላትን ኣፍልጦ ስለ ዘይህቦም፡ ናይ'ቲ ክልል ዓመታዊ ባጀት ብህወሓት ንዝምራሕ መንግስቲ ኣይህብን -ዝብል ውሳነ ወሲኑ። ብተወሳኺ መንግስቲ ፌደራልን ትካላት ፌደራልን'ውን ምስቲ ክልል ዝኾነ ዓይነትን ርክብ ከም ዘይህልዎም ገሊጹ። ድሕሪ እዚ መንግስቲ ትግራይ እቲ ውሳነ፡ 'ኲናት ከም ዝተኣወጀና ይቑጸር' ክብል ገሊጽዎ። እቲ ርክብ ብኸመይ ኣብዚ በጺሑ ? ኣብ 1991 ዓ.ም ኣብ ምእላይ ስርዓት ደርግ መሪሕ ተራ ዝነበሮ ህወሓት፡ ምስ ሰለስተ ውድባት ተሻሪኹ ልፍንታዊ ገዛኢ ግንባር ኣቚሙ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝነበሮ ፌደራላዊ ሰልፊ ኦህዴድ/ሕጂ ሰልፊ ብልጽግና ኦሮሞ ከኣ ሓደ ካብኦም ነይሩ። ኣብ መንጎ ኣዴፓን ኦህዴድን ዝተፈጥረ ምውዳድ፡ ህወሓት 'ዘይመትከላዊ ልፍንቲ' ኢልዎ ነይሩ። እተን ኣርባዕተ ውድባት ኣብ ውሽጠን ብዙሕ ወጥሪ ስለ ዝነበረን መን ናብ ስልጣን ይምጻእ ኣብ ዝብል እውን ብዙሕ ክትዕ ነይሩወን። ኣብ ምሕደራ ኢህወዴግ ብዝተፈጥረ ቅርታ ብህዝባዊ ናዕቢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ናብ ስልጣን መጺኡ። ብድምጺ ተሳዒሩ ኣብቲ ልፍንቲ ዝነበሮ ግደ እናተዳኸመ ዝመጽአ ህወሓት፡ ጠቕሊሉ ናብ ትግራይ ክኸይድ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ስልጣን ምስ ሓዘ ድማ ምስ ገዳይም መራሕቲ ህወሓት ምቅዳው ክስኣን ጀሚሩ። ንሱ'ውን፡ ንብዙሓት ኣብ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰበ ስልጣን ብጥሮታ ሰንዩዎም። ኣብ ትግራይ ከም ዘሎ ዝግለጽ ብህግሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ብሕጊ ዝድለ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ነበር ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ 'ሃቡና፤ ኣይንህብን'፡ ካልእ እቲ ዓብዪ ክልቲኦም መንግስታት ከዋጥጦም ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ። መንግስቲ ትግራይን ምሁራት ትግራይን፡ ብጉልባብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብልሽውናን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዘነጻጸረ ማእሰቲ እዩ ዝፍጸም ዘሎ ብምባል ክቃወሙዎም ከለው፡ በዚ ጥፍኣት ህወሓት ንበይኑ ዘይኮነ ከም ኢህወዴግ ኢና ክንሕተተሉ ዝግባእ ይብሉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣካል እቲ ስርዓት ዝነበረሉ ብህወሓት ዝምእዘን ዝነበረ ናይ 27 ዓመታት ምሕደራ 'ናይ ጸልማት ዝበን' ኢሉ እዩ ዝገልጾ። ካልኦት ኣመራርሓ እተን ዝተረፈ ሰለስተ ውድባት ድማ፡ ገሊኦም ተለኣኣኽቲ ኢና ነይርና እንትብሉ ገሊኦም ብግዕዝይና ዝጥርጠሩ ድማ ምስቲ ሓድሽ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ኣካል ስለ ዝዓረዩ ኣይሕተቱን ዘለዉ- ዝብሉ ቅረታት ካብ ፖለቲከኛታት ይስምዑ ነይሮም። ንኢህወደግ ናብ ሓደ ሰልፊ [ብልጽግና] ምቕያር ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘጋጠመ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ካልእ መራሕቲ ህወሓትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን ዘረሓሐቖም ዛዕባ ነይሩ። ብድሕሪኡ ጉዳይ ምንዋሕ መረጻ መጺኡ። ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሰንኪ ኮቮድ-19 መረጻ ኣናዊሕዎ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ከኣ ለበዳ ኮቪድ እናተኸላኸልና ምርጫ ከነካይድ ኢኣነ ክብል ነጺጉዎ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ "ግደፉ ኣዴታት ከይተንብዑ" ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግን ኣብ ውሳኔኡ ጸኒዑ መረጻ ምስ ኣካየደ፡ ድሕሪ እቲ ምርጫ ክልቲኦም መንግስታት ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ኣብ ዘይእውጅ ናይ ቃላት ኲናት ጸኒሖም። መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ክሳብ 2018 ንኢትዮጵያ ክመርሕ ዝጸንሐ ብህወሓት ዝምእዘን ሓይሊ ድሕሪ ኩናት ዶባት 1998-2000 ን18 ዓመታት ኣብ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት እዩ ጸኒሑ። ብ2018 ካብ ቀዳማይ ሚኒስር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ሰላም ጻውዒት ምስ ቀረበሉ ከኣ "ደጊም ወያነ ጌም ኦቨር" ብምባል ነቲ ናይ ዕርቂ ጻውዒት ተቐቢሉዎ። እቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ንህወሓት ብዕርቂ ስለ ዘይጸንበረ ከኣ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ዝጸንሐ ምፍጣጥ ቀጺሉ። ሓደ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ማዕከናት ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ከኣ "ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ፖለቲካዊ ኩነታት ስለ ዘገድሰና አእዳውና ኣጣሚርና ኣይክንርእን" ክብል ተዛሪቡ። ዘረብኡ ከኣ ብብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ 'ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ከም ምእታው እዩ ዝቑጸር' ክብሉ ርእይቶ ሂቦሙሉ። ኣብዚ ቐረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ብ19 ሓምለ 2020 መንእሰያት ኤርትራ ናብ ዝስልጥንሉ መዓስከር ሳዋ በጺሑ። ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንሳዋ ዝበጽሐ መራሒ ድሕሪ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኮንጎ ካቢላ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ካልኣይ እዩ። ምብጻሕ ኣቢይ ንሳዋ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣዕሪጉዎ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ እውን ካብ 12-14 ጥቅምቲ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝገሸሉ እዋን ንመደበር ሓይሊ ኣየር ደብረ ዘይት ምብጽሑ ካልእ ስክፍታን ሻቕሎትን ወሲኹ። ደብረጽዮን ኣብቲ ናይ ሕዚ መግለጺኡ፡ "ንደቂ ዜጋታት'ኳ ምርኣይ ዘይፍቀድ ሚስጢራዊ ቦታ፡ በትሪ እናወጣወጠ ንዝውዕል ዘሎ ሰብ ኣርእይዎ" ክብል እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትግራይ፡ ቅረታን ጥርጣረታትን ከም ዝፈጠረ ኣንጸባሪቑ። መንግስቲ ክልል ትግራይን ፖለቲከኛታት እታ ክልልን መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ተሻሪኹ ንትግራይ ንምንብርካኽ ይሰርሕ ከም ዘሎ ክኸሱ ጸኒሖም ኣለው። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ምድልዳል ሰላምን ምሕዝነትን ብዝብል ኣርእስቲ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኢ መግለጺ፡ "በዚ ሓዲሽ ለውጢ ጌም ኦቨር ዝተባህለ ዝወደቐ ጉጅለ ወያነ፡ 'ዓሻስ ገበጣ ክሳብ ዝውዳእ ይጻወት' ከም ዝበሃል ክልል ትግራይ ተቛዳሲት ናይዚ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጥን ምዕባለን ንኸይትኸውን ጅሆ ብምሓዝ፡ ግዳይ ንምግባራ፡ ኣብ ጸወታ ንድየት ምጽንሑ ርኡይ እዩ" ብምባል ናይ ጻዕረ ሞት ቁዘማን ምዕልባጥን ንመንኮርኮር ታሪኽ ንድሕሪት ክመልስ ኣይክእልን እዩ ኢሉ። ነዚ ምላሽ ብዝመስል ድማ፡ ዶ/ር ደብረጽየን ኣብ መግለጺኡ፡ "ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብቲ ናይ ብልጽግና ኣሃዳዊ ኣመራርሓ ብወግዒ'ዩ ዘይኣተወ እምበር ምስቲ ስርዓት ኮይኑ ንውግእ ይሸባሸብ ኣሎ" ኢሉ። መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣሃዱታቶም ዝኾብለሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮነ መንእሰያት ይገፍፍ ከምዘሎ ርጡባት ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቲ ፍጻሜ መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ንነዊሕ ድሕሪ ምፍጣጥ ናብ ኩናት ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ብምዃኑ ዝያዳ ስግኣትን ስክፍታን ከምዝፈጥር እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። ንመግለጺ ዶክተር ደብረጽዮን ስዒቡ፡ ተወሳኺ ሕቶታት ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ፡ ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪን ጉጅልኡን "ካብ ከፈልቲ ግብሪ ትግራይ ዝተኣከበ ባጀት ብምንካይ: ንትግራይ ዝኣትዉ ኢንቨስተራት ብምኽልካልን መገዲ ብምዕጻውን ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንመንግስትን ህዝብን ትግራይ ንምንብርካኽ ክሰርሑ ጸኒሖም" ክብል ከሲሱ። መንግስትን ህዝብን ትግራይ ብኹለንትነኦም ከም ዝተዳለው ብምግላጽ ከኣ፡ "ካብ ሰሜን ይኹን ካብ ደቡብ ክቐብሩና ዝመፅኡ ፀላእቲ፤ ክቐብሩና ኣይኽእሉን። የግዳስ ንሳቶም እዮም ክቕበሩ" ብዝብል ምድላው ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ። መንግስቲ ትግራይ እዚ ንምባል፡ እንታይ ሓድሽ ነገር ተርእዮ ስለዘሎ እዩ? ተኩታዃይ መግለጺዶ ኣይከነን? ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ። ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብፍላይ 'ብመንነት ኣስመላሽ ኮሚቴ' ሕቶ ዝቐረበሎም ከባብታት ብሓድሽ ወተሃደራዊ እዚ ክመሓደሩ ምንቅስቓስ ይግበር ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ። እዚ ቅድም ክብል፡ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ዝመሓላለፍ ዝኾነ ይኹን ሓደሽቲ ውሳነተት ከም ዘይቅበል ምስቲ ዘፍለጦ ዝኸይድ እዩ። ደብረጽዮን፡ መንግስቲ ፈደራል፡ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ስግኣት ኣብ ዘይብሉ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ምእዛዙ ንህዝቢ ትግራይ ንምንብርካኽ ዘለዎ ጥሙሕ ዘርኢ እዩ ኢሉ ነይሩ። ኣብ ጽባሕ እዚ መግለጺ ድማ፡ እቲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ተወሊዑ። ዝሕቆን ዘሎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ምንታይ ክዓልብ እዩ? ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ፈኲስን ማእከላይን ብረት ዝዓጠቑ፡ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ምሊሻን ኣብ ከተማ መቐለ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣካይዶም። እቲ ምርኢት ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘሎ ምፍጣጥ "ንዝኾነ እንተታት ተዳሊና ኣሎና" ንምባል እንተዘይኮይኑ ምስ ዝኾነ ሃገራዊ ኮነ ህዝባዊ በዓል ዝተኣሳሰር ምርኢት ኣይነበረን። ሓለፍቲ ጸጥታ ትግራይ እውን "ምእንቲ ሰላም ዋጋ ክንከፍል ድሉዋት ኢና" እዮም ኢሎም። 'ሰላም ብሰልፊ ብረትን ወተሃደራዊ ሓይልን ክረጋገጽ ይኽእል ድዩ?' ክብሉ ሕቶ ዘልዕሉ ኣለዉ። "ትማሊ እውን ብምልኪ ንዝደሃኸና ስርዓት ደርጊ ብሓይሊ ብረት ስዒርና ኢና መሰልና ኣረጋጊጽና" ዝብል ምላሽ'ውን ይወሃብ ኣሎ። እዚ ወተሃደራዊ ምርኢት መቐጸልታ ናይቲ ዝጸንሐን ዘሎን ወጥሪ እዩ ዝመስል። መንግስቲ ፈደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብጉዳይ ሃገራዊ ምርጫ "ይጽናሕ'ዶ ይገበር" ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስተሰሓሓቡ እዮም። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ቅድም ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 'ዓቕልና ደረት ኣለዎ፡ ኣዴታት ከይነብዓ፡ መሰረተ ልምዓት ከይተዓናቐፍ መንእሰያት ከይሞቱ' ምስ በለ፡ ፖለቲከኛታት ትግራይ፡ ንኣብነት ስየ ኣብርሃ "ዝኾነ ሰብ ኲናት ክጅምር ይኽእል እዩ። ግን እቲ ኲናት መን ከምዝውድኦ ኣይፍለጥን እዩ" ክብሉ ምላሽ ሂቦሙሉ። ክልቲኦም ሓይልታት ከኣ፡ መንግስቲ ፈደራልን ክልል ትግራይን ኣብ ናይ ቃላት ኩናት ተጸሚዶም ጸኒሖም። ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ ኣሕመድ ንመዓስከር ሳዋ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ ኣሕመድ ንኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ምስ ከደ፡ ምስቲ ኣብ ምቕባል ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ "ወያነ ጌም ኦቨር" ዝበለን ኣብ ቃለ መሕትቱ፡ 'ነቲ ለውጢ ንድሕሪት ክጎቱ ዝደልዩ ሓይልታት ስለዘለው ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን ኢና' ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ በጺሑ። ብዙሕ ትርጉም ድማ ተዋሂብዎ። ኣብ ሳልስቱ ከኣ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምስ ፈጸሙ፡ እቲ ኩነታት ንመናውራ ድዩ ወይስ ናይ ብሓቂ ደበና ኩናት የንጸላሉ ኣሎ'ዩ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ። እንተኾነ ዶክተር ኣቢይ ኣስመራ በጺሑ ምስተመልሰ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት "ንትግራይ ክንወግእ ሓሳብ የብልናን። ከምኡ ምሕሳብ ናይ ዕብዳን ዘረባ እዩ" ክብል ነቲ ቅድሚኡ 'ኣዴታት ከይነብዓ' ዝበሎ ዘረባ ዝኽሕስ ዝመስል ምላሽ ሂቡ። ኪኖኡ ከይዱ እውን "ህዝቢ ትግራይ ንዶክተር ደብረጼን ሓግዝዎ፡ ንሕና ምስ ውሑዳት ብበደሎም ዝሕተቱ ወራሕቲ ህወሓት 'ምበር፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ህወሓት ጸገም የብልናን" ኢሉ። እቲ ምላሽ ግን ንፖለቲከኛታት ትግራይ ዘዕገቦም ኣይመስልን። መንግስቲ እቲ ክልል "ዝኣኽለንያ ጥሒነንስ በኣለማርያም ይብላ" ብምባል፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ 'ጉጅለ' እናበሉ ዝጽውዕዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ከም ዝኣወጀ ገሊጹ። ብቕጽላት እምበር ብስም ዘይረቑሖም፡ "ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዘይናቶም መሬት ብነፍጢ ንምውራር ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቅሉዕ ኲናት ዝኣወጁ ኣለው" ክብል ድማ ገሊጹ። እዚ ዘረባ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፡ ንዝተውሃበ መግለጺ ዝምልከት እዩ ዝመስል። ፕሬዝደንት ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን፡ ኣብ ሕማቕን ጽቡቕን እዋናት ንዘመናት ብሓባር ዝነበሩ ብስጋን ደምን ዝተኣሳሰሩ "ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ናብ ጎንጺ ንክኣትው ብትግራይ ንኣምሓራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ዝተፈላለዩ ጎንጺ ዘልዕሉ ተግባራት ይፍጸሙ ኣለው'ዯም" ኢሉ ነይሩ። እዚ "ነገር ምጽሕታር ኣደብ ንክትሕ ዝምልከቶም ኣካላት ክግንዘቡዎን ናይዚ ክልል ዝኾነ ዓይነት ዓርስኻ ናይ ምክልኻል ተግባራት ህዝቢ ክድግፎምን" ይጽውዕ ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ' ኣዛብእ ቀትሪ'፡ 'ጸጉረ ልውጥ'፡ 'ነፍጠኛታት'፡ 'ሓይልታት ትምክሕቲ' 'ባንዳታት' ብዝብል ላቔባ ቅጽላት ምዝንጣል ይቐጽል እዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብዚ ዞባ እዚ ደበና ኩናት ከይጽሒ ስክፍታን ሻቕሎትን ኣሓዲሩ ኣሎ። ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምስ ኣመዓባብላን ኣፈጣጥራን ሃገረ ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰር ብዙሕ ሕልኽላኽ ዘለዎ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብ ዝተፈላለየ ብሄርን ህዝብን ዝበቖሉ ነገስታት ኢትዮጵያ፡ ብዝተፈላለየ ተረኽ እዮም ስሞም ዝለዓል። ነቲ ሓደ ጅግና ዝኮነ ንጉስ፤ ነቲ ካልእ ከም ከሓዲ እዩ ዝቑጸር። ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ፡ ማለት'ውን ካብ ንግስነት ሃጸይ ቴድሮስ ጀሚሩ፡ ሃጸይ ዮሃንስ ክሳብ ሃጸይ ሚኒሊክ ዘሎ ዘመን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ስምምዕ የለን። ዘበናዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምፍጣርን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ምምስራትን ብብዙሓት ዝነኣድን ዝምስገንን ንጉስ ሃይለስላሰ እውን እንተኾነ፡ ንመባእታዊ መሰላት መላእ ኢትዮጵያ ረጊጹ፡ ብኣምሓራዊ ዕብለላ ከመሓድር ፈቲኑ ተባሂሉ እውን ይንቀፍ እዩ። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ክውህለል ብዝጸንሐ ቅሬታ ህዝቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ። "ኢትዮጵያ ትቅደም!" ብዝብል ጭርሖ ሓንቲ ኢትዮጵያ ክምስርት ዝሃቀነ 'ምልካዊ' ስርዓት ደርግ እውን፡ መጠን ዘይብሉ ደም ኣፍሲሱ፡ ህዝቢ ኣበሳቢሱ፡ ድሕሪ ናይ 17 ዓመታት ሕሱም ህይወት፡ ብደሞክራሲያዊ ሓይልታት ለውጢ ተቓለስቲ ውድባት ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን ተገሊፉ። እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዓሌታዊ ግጭትን ዕግርግርን፡ ኢትዮጵያ ናይ ኩሎም ዜጋታታ ሓባራዊት ቤትን መሬትን ገይርካ ካብ ዘይምርኣይ ዝመጽአ እዩ ዝመስል ይብል ተኸታታሊ ፖለቲካ እቲ ዞባ፡ ኣቶ ደስበለ መሓሪ። ኣብ ምእላይ ስርዓት ደርግ መሪሕ ተራ ዝነበሮ ህወሓት፡ ምስ ሰለስተ ውድባት ተሻሪኹ ብዘቖሞ ልፍንታዊ መንግስቲ ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራሊዝም መስሪቱ ንኢትዮጵያ ን27 ዓመታት መሪሑዋ። እቲ ስርዓት፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ርኡይ ዕብየት እንተመጸአ'ኳ፤ ትካላት ድሕነትን ጸጥታን ዓብሊሉ ተባሂሉ እዩ ዝውቀስ። እንተኾነ ብጉድለት ሰናይ ምሕደራን ሰኣን ህንጸት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፡ ክውህለል ብዝጸንሐ ህዝባዊ ቅሬታ ዝተወልዐ ህዝባዊ ናዕቢ ስዒቡ፡ ኣቦ መንበር ዲሞክራስያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ [ኦሆዴድ]ዝነበረ ዶ/ር ኣቢዪ ኣሕመድ ነቲ ብነፍሱ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ፡ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተኪኡ ኣቦ መንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚኒሰተርን ኮይኑ። ኣብቲ ከይዲ፡ ገለ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ደገ ከም ዝነበረ ዝዛረቡ ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ኢህወዴግ ኣፍሪሱ ድማ፡ ህወሓት ዘይብሉ ምስ ክልተ ኣሓት ውድባት፡ ካልኦት'ውን ሓዊሱ ሰልፊ ብልጽግና መስሪቱ፤ ወራሲ ኢህወዴግ ኢሉ ይመርሕ ኣሎ። ህወሓት ግን ኢህወደግ ዝፈረሰሉ መገዲ ዘይሕጋዊ ምዃኑን፡ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ፓርቲ ኣብ ስልጣን ከምዘሎን እዩ ዝገልጽ። ይኹን እምበር፡ ባይቶ ፈደሬሺን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ስግኣተ ለበዳ ኮሮና እቲ ዝመርሕ ዘሎ ሓይልታት ክሳብ እቲ ስግኣት ዝእለ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ወሲኑ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ 'ፍቕርን ዕርቅን'ዩ መገዲ ድሕነት' ብምባል ልቢ ህዝቢ ማሪኹ ነይሩ። ወጥሪ ኵናት ዶባት 20 ዓመት ኢትዮ ኤርትራ፡ "ዶባት ጽልኢ ካብ መዳፍዕን ሚሳይልን ብዝሕይን ኣጽዋር ፍቕሪ ተሳዒሩ ኣሎ" ብምባሉ ይርሓሰና ተባሂሉ። ግን ኣይደንጎየን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ህዝባዊ ኣኼባ፡ "ዝሓለፈ 27 ዓመታት ናይ ጸልማት ግዜ እዩ ነይሩ" ጸኒሑ ድማ "ናይ ቀትሪ ኣዛብእ' ብዝብል ጽልኢ ዘንጸባርቕ ዘረባ ምስተዛረበ፡ እቶም 'ሃገር መድሓኒ ረኺባ' ብምባል ዝደገፉዎ ሰባት ሰጋእ መጋእ ክብሉ ተራእዮም። ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንሓያሎ ብዝነበሮም ስልጣን ተጠቒሞም ንነብሶምን ስድራቤቶምን ብዘይ ሕጋዊ መገዲ አሀብቲሞም ተባሂሎም ንዝጥርጠሩ ዕድመ ዝደፍኡ ገዳይም ተጋደልቲ ብጥሮታ ኣፋንዩዎም። ገለ ካብኣቶም ግን ሕጋውን ዘይሻራውን ቤት ፍርዲ ኣቚምና ክሳብ ሸውዓተ ወለዶና ክንጸባጸብ ድልዋት ኢና። ዝሰረቐን ዘጠፋፍአን እንተሎ ብሕጊ ክሕተት ጸገም የለን ዝብል ምላሽ ዝሃቡ ኣለው። ሰብኣዊ ግህሰት ብምፍጻሙ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ክሕተት ኣለዎ ንዝበሃል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ነበር፡ ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ግን ክሳብ ሕጂ፡ ኣረክቡና - ኣይነረክብን ብዝብል ምስ ህወሓት ገና ኣብ ምፍጣጥ ኣለው። ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዝተፈጸም ዕርቀ ሰላም፡ ነቶም ኣብ ኩናት ዶባት (1998-2000) መቐናቕንቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩን ብይን ኮሚሽን ዶባት 'ብዘይ ቅድም ኩነት' ከይትግበር ዝሓንገዱን ፖለቲከኛታት ህወሓት ስለዘይሓቖፈን ምሉእ ሕድገትን ዕርቅን ስለዘይተገብረ ኣብ ብዙሓት ስክፍታ ፈጢሩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝተኸስተ፡ ገሊኡ ብፈተነ ዕልዋ ዝተገልጸ ቅትለት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ጄነራላትን ብነብሰ ቕትለት ዝተነግረ ሞት ኢንጂነር ስመኘው፤ ሕጂ ድማ 'ሃገራዊ ምርጫ፡ ይገበር'ዶ ይናዋሕ' ብዝብል ምስ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ውድባት ብቐንዱ ከኣ ምስ ህወሓት ዘጋጠመ ምፍጣጥ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ክሕቆን ጸኒሑ። ብሞት ውሩይ ተወላዲ ኦሮሞ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ማእሰርቲ ስሙያት ፖለቲከኛታት ጀዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባ፣ ልደቱ ኣያሌውን ካልኦትን ነቲ ወጥሪ መሊሱ ኣዕሪጉዎ ኣሎ። ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ኦሮምያን፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተወለዐ ኾይኑ፡ ናብ ዓሌታዊ ጎንጺ ከየምርሕ ስግኣት ጸኒሑ ኣሎ። መንእሰያት ኦሮሞ ነቲ ተወዳዲቦም ህዝባዊ ናዕቢ ናብ ስልጣን ዘምጽኡዎ ስርዓት ብተመሳሳሊ ናዕቢ ከይኣልዩዎ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኢንተርነት ተዓጽዩ፡ ሓያልታት ጸጥታ ኣብ ተጠንቀቕ ከም ዝነበሩ እዩ ዝንገር። ነቲ ተቓውሞ ሰፊሕ ሽፋን ዝህባ ዝነበራ፡ ክልተ መንግስታዊ ሚድያታት ትግራይን ኦኤምኤንን ሓዊሱ፡ ኣርባዕተ ሚድያታት እታ ሃገር'ውን ተዓጽየን። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ንመንግስቲ ኣቢዪ ዝቃወሙን ዝድግፉን ኢትዮጵያውያን ህዝባዊ ሰልፊታት እንተካይዱ፡ ኣብ ለንደንን ሃረርን ምስ ስርዓት ሃይለስላሰ ዝተኣሳሰር ሓወልቲ አዕንዮም ኣለው። ኣብቶም ድምጽታት ተቓውሞ፡ 'ኣብዪ ካብ ስልጣን ይተኣለ' [Abiy_must_go] ዝብል ጎስጓስ'ውን ብሰፊሑ ተወዓዊዑ ይርከብ። 'ኣቢዪ ኦሮሞ ኣይኮነን' ክሳብ ምባል ዝበጽሑ'ውን ኣለው። ዶክተር ኣቢይ ንባዕሉ 'ኦሮሞነተይ ዘሕድገኒ የሎን' ክብል መሊሹ። ኩሉ ዝፍጸም ነገራት ኣብ ሰዓቱን እዋኑን ሰለዘይቃላሕ ሰላም ዝተመልሰ ክመስል ይኽእል'ዩ። ኣብቲ ንሰለስተ ሰሙን ኢንተርኔት ዝተዓጸወሉ እዋን ግን፡ ኣብ ባይታ ግጭት ከም ዝነበረ'ዩ ዝንገር። ሓያሎ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን፡ እዚ ንኣስታት ሓምሳ ዓመት ኣብ ግጭትን ኩናትን ዝጸንሐ ህዝቢ ዳግም ሞትን ውርደትን ስደትን ዕንወት ክርኢ ግቡእ ስለዘይኮነ፡ ነብሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ካብ ጎንጽን ግጭትን ክሕየብ ይጽውዑ ኣለው። "ኲናት ብወረ ክትሰምዖን ብኣካል ክትውዕሎን ነንበይኑ እዩ። ኲናት ኣብ ቤትካ ኣብ ገዛኻ ክመጽእን ኣብ ማዕዶ ኣብ ጎረቤትካ ክትርእዮ ፍልልይ ኣለዎ። ብኲናት ሓውኻ፡ ሓፍትኻ፡ ወይ ደቅኻን ኣዝማድካን ክትከፍልን ኣብ ቴለቭዥን ወይ ኣብ ማዕከናት ዜና ከም ፊልም ክትርእዮን ሓደ ኣይኮነን" ዝብል ኤርትራዊ መጎስ ብርሃነ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ወረ ኩናት ክሰምዕ ከም ዘይደሊ ይዛረብ። ነቲ ከባቢ ብቕርበት ዝከታተሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣሚር እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎ። "ኲናት ሰላሳ ዓመት ናጽነት ክዛዘም ኣብ ምጉባዘይ ኣርኪበሉ። ኩናት ዶባት ከኣ ብኣካል ተሳቲፈዮ - ክንደይ መሪር ርእየ" ስለዚ ሕጂ ኣብ ጎረቤተይ ኮነ ኣብ ቤተይ ወረ ኩናት ክሰምዕ ኣይደልን እየ" ይብል። ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ በዓል ጀዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ምስ ተኣስሩ፡ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 'ኣቱም ብማዕዶ ኮይንኩም ንዑ ንሰልፊ ውጽኡ እትብሉ ሰባት፡ እቲ ዓውደ ኲናት ኣብዚ ዓዲ ስለዝኾነ መጺእኩም ተዋግኡ፡ ኣብዚ ኮይንኩም ሙቱ። ንስኻትኩም ኣብ ጥጡሕ ቦታ ኮይንኩም፡ ንሰባት ንቅድሚት ኣሕሊፍኩም ተዋግኡ፡ ሙቱልና ክትብልዎም ኣይግባእን'ዩ' ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። "ማንም ሰብ፡ ስልጣን ምስ ሓዘ ካብ መስመሩ ይዝንብል'ዩ" ይብል መጎስ። ኣብ ታሪኽ እቶም ንስልጣን ዝወዳደሩ ሓይልታት ነታ ንዘለኣለም ዘይቅመጡላ መንበር ደምን ኩናትን ክኣጉዱ ተራእዮም። ዕድመ ደፊኦም ሸምጊሎም ከብቅዑ፡ "ሓደ እግሮም ኣብ ጉድጓድ ኣትዩ" ኣብ ዝበሃለሉ ደረጃ ምስ በጽሑ እውን ገሊኦም ብሓይሊ ብምልኪ፡ ገሊኦም ከኣ ንቅዋምን ሕገ መንግስትን ብዝጥዕሞም እናመሓየሹ " ስልጣን ወይ ሞት" ዝብሉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ትማልን ሎምን ብዙሓት እዮም። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብሂወት ሰብ ዝጣልዑ መለኽቲ ዝፍጠሩ። እቲ ሓደ ዋሕስ ህዝቢ እዩ - ህዝቢ ከኣ 'ኣይፋል ንኩናት፡ ሕራይ ንዘተን ልዝብን' ክብል ንቕሓት የድልዮ- ይብሉ እቶም ተዓዘብቲ። ነቲ ውዕል ሰላም ክዕንቅፉ ዝኽእሉ ጉዳያት እንታይ እዮም? ኣብ ድሮ ካልኣይ ዓመት ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ተጻብኦታት ንምቁራጽ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ድሕሪ እዚ ስምምዕ ብኽልቲኡ ወገናት ዝተፈረመ ዝርዝር ሰነድ ተዘርጊሑ። እዚ 10 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ ብኽልቲኡ ወገናት ብወግዒ ከምዝተፈረመ ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣረጋጊጹ። እዚ ዝርዝር ሰነድ ብዛዕባ ቀዋሚ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ምፍታሕ ዕጥቂ [ህወሓት] ምብጻሕ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤትን ካልኦት ጉዳያትን ዝምልከት እዩ። እቲ ልዝብ ዋላ'ኳ ገና ኣብ መፈለምታኡ እንተዀነ፡ ገለ ተኣፋፊ ጉዳያት ኣይተተንከፉን ዝብሉ ድምጽታት ክስማዑ ጀሚሮም ኣለዉ። ሰራዊት ኤርትራ እንታይ ክኸውን እዩ? ከመይ ጌርካ ዕጥቅ ይፍታሕ? እቲ ኣካታዒ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ እንታይ እዩ ክኸውን? ፍትሒ ብኸመይ ክርከብ ይከኣል? ፍትሒ ብኸመይ ክርከብ ይከኣል? ዝኣመሰሉ ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ። ነዚኦምን ካልኦትን ኣመልኪትና ምሁራትን ተንተንቲ ፖላቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣዘራሪብና ኣለና። ባይሳ ዋቅወያ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሰላምን ምፍታሕ ጐንጽታትን ዘገልገለ በዓል ሞያ ዓለም ለኻዊ ሕጊ እዩ። ንሱ፡ "እቲ ስምምዕ ካብቲ ዝሓሰብክዎ ንላዕሊ ቅልጡፍ እዩ ነይሩ" ይብል። "ገለ ሰባት 'እቲ መዓልቲ ተናዊሑ፡ ፈሺሉ እዩ' ይብሉ ነይሮም። ኣነ ድማ ካብ ተመኵሮ ተበጊሰ፡ ክሳብ ሕጂ ይዘራረረቡ ከምዘለዉን ኣብ ድርድር ከምዘይበጽሑን እየ ዝኣምን ነይረ።” እቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ንኸብቅዕ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ሰላማዊ ፍታሕ ክገብሩ ይመክርን ተመኵሮኡ የካፍልን ከምዝነበረ ይዛረብ። ኣብ ነዘርላንድስ ዝመደበሩ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣደም ካሴ [ዶክተር]፡ እውን በቲ ስምምዕ ኣዝዩ ሕጕስ ምዃኑ ይዛረብ። “ከምዚ ቀልጢፉ ክመጽእ እዩ ዝብል እምነት ኣይነበረንን፤ ኣዝየ ሕጕስ እየ።" እቲ ተንታኒ፡ ቅድም ክብል፡ ብዙሓት ጽቡቓት ዕድላት ከምዝመኸኑ ብምዝኽኻር፡ "ብፍላይ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ ትግራይ ዓቢይ እፎይታ ዝህብ እመስለኒ" ይብል። እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንዕውትነት እዚ መስርሕ ሰላም፡ ንህወሓት ዓቢ ክብሪ ይህብ። "ብናተይ ኣረኣእያ፡ መራሕቲ ትግራይ ዓቢይ ኣፍልጦ ክወሃቦም ይግባእ። ኣብዚ ዘለናዮ ኵነታት ንኽንበጽሕ፡ መገዲ ሰላም ብምምራጽ ዝወሰድዎ ቈራጽነት [ሕድገታት] ንሰላም ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።” እቲ ክኢላ ዓለምለኸ ሕጊ ባይሳ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ንነበርቲ ክልል ትግራይ እፎይታ ከምዝዀነ ገሊጹ። "ቈልዑ፡ ኣረጋውያን፡ ኣደታትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ትግራይ ብዘይ ድምጺ ጥይት ክሓድሩን ንጹህ ኣየር ከስተንፍሱን ክትሰምዕ ደስ ዘብል'ዩ።" ‘ኲናት ሲኦል እዩ' ዝብል ባይሳ፡ በሰላ ኲናት ካብ ርሑቕ ምስማዕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቦታኡ ዄይንካ ብምርኣይ ጥራይ ክትርድኦ ከም እትኽእል ይገልጽ። እቲ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕ ከም ዘንበቡ ንቢቢሲ ዝገልጹ እቶም ተንተንቲ፡ እቲ ስምምዕ ዝነኣድ'ኳ እንተዀነ፡ ኣተገባብራኡ ግን ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም። ጸገም ኣፈጻጽማ ብዝምልከት፡ እቲ ምኩር ክኢላ ኣፈታትሓ ግጭት ባይሳ ብኸምዚ ይገልጽ። "ህዝቢ ንህዝቢ ተዳምዩ ስለዝዀነ፡ ኣብቲ ዝተበጽሐ ጽቡቕ ብርኪ ኣበርቲዕኻ ብምስራሕ፡ ምሕካም ይሓይሽ" ይብል። ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክበጽሕ ኣብ ምኽኣል ዘለዎ ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ እውን የረድእ። ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣደም ካሴ'ውን፡ እቲ ስምምዕ ንምትግባር "ቀሊል ከምዘይከውን እዩ ዝርደአኒ" ይብል። ይዅን እምበር፡ ህወሓት ብመንጽር ኣብ ትግራይ ዘለዎ ልዑል ተቐባልነት፡ ዝኣተዎ ቃል ከፈጽም ንህዝቢ ከእምኖ ከምዘይጽገም እቲ ተንታኒ ይግምት። "መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ንኤርትራውያን ናብ ቦታኦም ክምለሱ ኣእሚኑ፤ ብቕልጡፍ ዶብ ሰጊሮም ክወጽኡ ክገብር ይግባእ” ኢሉ። ኣብቲ ስምምዕ ስም መንግስቲ ኤርትራ ዘይምጥቃሱ "ዘገርም ኣይኮነን" ዝብል ዶ/ር ኣደም፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ምስ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ከምዘለዉ የመልክት። ወተሃደራት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ከምዘለዉ ጸብጻበት ይሕብሩ። ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከይወጹ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ዝበሃል ክትግበር ከምዘይክእል ዶ/ር አደም ይዛረብ። ክኢላ ዓለማዊ ሕጊ ባይሳ ብወገኑ፡ 'ኣብዚ ስምምዕ ዘይተሳተፉ ኣካላት' ዕንቅፋት ከይኮኑ ይሰግእ። ኣደም ከምዝብሎ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ብፍላይ ከቢድ ኣጽዋሮም እንተ ኣረኪቦም፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኮይኖም ክቕጽሉ ይኽእሉ እዮም። ክልላት ኢትዮጵያ፡ ናይ ባዕለን ፍሉይ ሓይሊ ከቝማ ይፈቅድ እዩ፤ እንተዀነ ብዛዕባ ክሕዝዎ ዝግባእ ዕጥቂ ዝምልከት ኣካታዒ እዩ። አደም፡ ሓይልታት ጸጥታ ፌደራል ንመዓርፎ ነፈርትን ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ፌደራልን ጥራይ ይሕሉ ድዩ ወይስ ኣብ ስራሕ ፖሊስ'ውን ክሳተፍ ክደሊ፡ ክብል’ውን ይሓትት። "እቲ ስምምዕ ዝርዝር ነገራት ዝሓዘ'ኳ እንተዀነ፡ ዘይተጠቐሱ ብዙሓት ነገራት ከም ዘለው፡” ይኣምን። እዚ ስምምዕ እዚ፡ ኢትዮጵያውያን ብጥይት ዘይኮነስ ብሰላማዊ መንገዲ ዘይምርድዳእ ናይ ምፍታሕ ተመኵሮ ከጥርዩ ከምዘለዎም ዘመልክት ምዃኑ'ውን እቲ ምሁር ሕጊ በይሳ ይገልጽ። "ካብ መጀመርታኡ ናብዚ ኲናት ክንኣቱ ኣይግባእን ነይሩ፤ ናብ ኲናት ምስ ኣተና ግን ብሰላም ከም ዝውዳእ እንተፈሊጥና፡ ንመጻኢ ዝዀነ ዘይምርድዳእ ብዘተ ምፍታሕ ክንለማመድ ይግባእ። ፖለቲካዊ ውድባት፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ትካላት ሚድያን ጋዜጠኛታትን እቲ ኲናት ብሰላም ኣብ ምፍታሕ ትዅረት ክገብሩ'ውን ተማሕጺኑ። ንኡስ ዓንቀጽ 10 ናይቲ ስምምዕ፡ ፖለቲካዊ ጸገማት ብዂናት ዘይኮነስ፡ ናብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ተመሊስካ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ የረጋግጽ። እቲ ክኢላ ሕጊ ባይሳ፡ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ፍታሕ ከምዝዀነ እዩ ዝኣምን። "ሓቂ እዩ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ክረቅቕ እንከሎ ህዝቢ ብግቡእ ኣይተሳተፈሉን ይኸውን። ንህሉው ሽግራትና ንምፍታሕ ግን እዚ ቅዋም ኣለና። ኵሉ ሰብ ዝሰማማዓሉ ቅዋም ክሳብ ዝዳሎ፡ ዘይምርድዳእና ብመሰረት እዚ ሕገ-መንግስቲ ክንፈትሖ ኣለና።" ኣደም ዝተፈላለየ ብድሆታት'ኳ እንተሃለወ፡ ናብ ኲናት ክንምለስ ኢና ዝብል እምነት የብሉን። እቲ ተንታኒ፡ ምምሕዳር ጸጥታ፡ ፍትሕን ሕቶ ይግበኣንን፡ ንፖለቲካዊ ዝርርብ ክፉት ምዃኖም ዝሐሸ እዩ ኢሉ ይኣምን። "እቲ ኣገዳሲ ነገር ነዚ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣካላት፡ ንድሕሪት ተመሊሶም ህዝቦም ከእምኑ ይግባእ። ዕላማ ናይዚ ውዕል ምሕባር፡ ዝተገብሩ ሕድገታት እንተሃልዮም ድማ፡ ንምንታይ ከምኡ ዝዀነ ግንዛበ ምፍጣር ክቕድም ይግባእ። "ይብዛሕ ይንኣስ፡ ኵሉ ጥሕሰት ሕጊ ፈጺሙ እዩ" ዝብል ተንተኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ አደም፡ እቲ ስምምዕ ንጉዳይ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዙሕ ኣቓልቦ ከምዘይሃበ ይዛረብ። እንተዀነ፡ ንቕድሚት ጉዳይ ዓበይቲ ገበናት ብሰፊሑ ንኽረአ መገዲ ዝጸርግ እዩ በሃላይ እዩ። ብቐንዱ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ገለ ክፋል ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ዳግመ ህንጸት ከምዘድሊ እቶም ተንታንቲ ገሊፆም። ማሕበረሰብ ዓለም ኣብዚ ጉዳይ ብዕቱብ ክሰርሐሉ ድማ ይጠልቡ። ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብዝሓ ትካላትን ማእከላት መሰረተ ልምዓትን ከምዝዓነዉ ጸብጻበት ይሕብሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ደጊም እቲ ክልል ኣብ ምህናጽ ክንወፍር ኢና ኢሉ። ክልቲኦም እቶም ሰብ ሞያ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ዳግመ ህንጸት እንተዘይተሳቲፉ፡ እቲ ኩነታት ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ዶ/ር ኣደም ካሴ፡ " 'ከም ህዝቢ፡ ኤርትራ፡ ኣምሓራን ትግራይን ኣብዚ ኩናት ከሲርና ኣለና’ ካብ ዝብል መንፈስ፡ ካብ ናይ ጽልኢ ዘረባ ርሒቕና፡ እዚ ውዕል ሰላም ንኽፍጸሙ ዕድል ንሃቦም" ክብል ሓሳቡ ይዛዝም። ኣብ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት መብራህቲ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንፈለማ እዋን ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ተገሊጹ። እቲ ኣገልግሎት ኣብ መቐለ ምሉእ ብምሉእ ከምዝጀመረ ምንጭታት ቢቢሲ ካብታ ከተማ ገሊጾም። ነባሪ እታ ከተማ፡ “ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ መቐለ ኣብ ኵሉ ቦታታት መብራህቲ ጀሚሩ ኣሎ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ድሕሪ'ቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ መብራህቲ፡ ተሌፎን፡ ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ተቛሪጾም ከም ዘለዉ ይፍለጥ። ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣላማጣ መኾኒ ዝተዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት ብዝተገበረሉ ጽገና፡ ካብቲ ሃገራዊ መርበብ ምክፍፋል ጸዓት (ግሪድ) ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መቐለ ናብ ንቡር ከም ዝተመለሰ ሓቢሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብቲ ዝሓለፈ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተሙ ይፍለጥ። ገለ ካብቲ ስምምዕ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ፈደራል መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ክጅምሩ ዝብል ይርከቦ። ኣብታ ክልል ሰብኣዊ ረዲኤት ክኣቱ ጀሚሩ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። እንተዀነ፡ እቲ ዝኣቱ ዘሎ ረዲኤት ገና እኹል ከምዘይኮነ ይግለጽ። ኣብ ሽረን ከባቢኣን ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን ኣብ ቀረባ እዋን ንኽጅምር ይሰርሕ ምህላዉ፤ ናብቲ ከባቢ ዝተላእኹ ሰብሞያ ናይ ፈተነ ስርሓት የካይዱ ከምዘለዉ ኢትዮ-ቴሌኮም ንቢቢሲ ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ። ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሰባት'ውን ንስድራቤቶም ብተሌፎን ከም ዘዘራረብዎም ሓቢሮም እዮም። እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራን፡ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻ ኣምሓራን ብልፍንቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካየድዎ ደማዊ ኵናት፡ ጠንቂ ሞት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት፡ ጥምየት፡ ምምዝባልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝዀነ ይፍለጥ። ማዕቀብ ሩስያ፡ ዓለም ብዘይ ነዳዲን ጋዝን ሩስያ ክትነብር ትኽእል’ዶ? ማዕቀብ ሩስያ፡ ዓለም ብዘይ ነዳዲን ጋዝን ሩስያ ክትነብር ትኽእል’ዶ? ዩክረይን፡ ሩስያ ናብ ጀርመን ትልእኮ ዝነበረት ቀረብ ጋዝ ነክያ ንኣውሮጳ ከተርዕድ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጻ። ሩስያ፡ ንዩክረይን ካብ እትወርር ኣትሒዙ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ነዳዲን ጋዝን ሩስያ ዘንበራኦ ማዕቀብ፡ ሞስኮ ግብረመልሲ ከምትወስድ ከተጠንቅቕ ኣገዲድዋ እዩ። ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 40 ሚእታዊት ካብ ጠለባት ጋዝ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሸፊና ነይራ። ኣብ 2020 ካብ ሩስያ ብበዝሒ ጋዝ ካብ ዝዓደጋ ሃገራት እታ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ ቍጠባ ዘለዋ ጀርመን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ። ኢጣልያ ንጀርመን ስዒባ ካልአይቲ እያ። ብሪጣንያ ካብቲ ዘድልያ መጠን፡ 4 ሚእታዊት ነዳዲ ጥራይ ካብ ሩስያን ዘእተወት ክትከውን እንከላ ኣሜሪካ ግን ዋላ ሓንቲ ጋዝ ኣይተቐበለትን። ይዅን እምበር፡ ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ዝልኣኽ ቀረብ ነዳዲ ምንካያ ዓለምለኻዊ ዋጋታት ነዳዲ ንኽውስኽ ጠንቂ ኰይኑ ስለዘሎ፡ ንኣሜሪካን ንብሪጣንያን ጸልይወን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ ጋዝ ኣብ ብሪጣንያ ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ እዩ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ ሩስያ ዝኣቱ መጠን ጋዝ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብኽልተ ሲሶ ከምዝንኪ ይገልጽ። ኮሚሽን ኣውሮጳ፡ ኵለን ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዝመጽእ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሃልኪ ጋዝ ብ15 ሚእታዊት ከጕድላ ሓሳብ ምቕራቡ ይዝከር። እንተዀነ ካልእ ኣማራጺታት ቀረብ ጋዝ ንምርካብ ዘሎ ተኽእሎ ዘጠራጥር እዩ። "ናብተን ስሩብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ (LNG) ብታንከራት ዝልእካ ከም ቀጠርን ኣሜሪካን ዝኣመሰላ ኣፍረይቲ ክውከስ ኣለዎ፡" ትብል ኣማኻሪት ጸዓት ዝዀነት ኬት ዱሪያን። "ኣብ ኣውሮጳ እዅል ዝዀነ መዓርፎ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ የለን። እዚ ብፍላይ ንጀርመን ከጸግማ እዩ። ነዚ ንምርጋፍ'ውን ዘድሊ መሳርሒ የብላን" ብምባል ኬት ተረድእ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን እተን "ሓልዮት ዘይብለን" ሃገራት ኣውሮጳ ጋዝ ክረኽባ እንተዀይነን፡ ብሩብል (ባጤራ ሩስያ) ክፍሊት ክፍጽማ ከምዘለወን ገሊጹ እዩ። እዚ ኸኣ ንዋጋ ባጤራ ሩስያ ንምሕጋዝ ዝተገብረ እዩ። ፖላንድ፡ ቡልጋርያን ፊንላንድን ብሩብል ክኸፍላ ስለዘይፈቐዳ ሩስያ ትልእከለን ዝነበረት ጋዝ ኣቋሪጻ እያ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ መወዳእታ ዘለናዮ ዓመት ብባሕሪ ዝኣቱ ነዳዲ ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝእግድ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ኣሎ። ብመስመር ዝኣቱ ጋዝ ግን ንኽቕጽል ፈቒዱ እዩ። ከም ሃንጋሪን ስሎቫክያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብኡ ስለ ዝምርኰሳ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት እዚ "ግዚያዊ ስጕምቲ" ከምዝኾነ ይገልጹ። ኣሜሪካ፡ ነዳዲ ሩስያ ምሉእ ብምሉእ ከምዝኣገደት ኣዊጃ እያ። ብሪጣንያ ብወገና ደረጃ ብደረጃ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት እዚ ከምተቋርጽ ይፍለጥ። ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ብሰንኪ እቲ እገዳ ቀረብ ነዳዲአን ክንክያ ይኽእላ። ሊትወንያን ፊንላንድን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር 80 ሚእታዊት ነዳዲ ካብ ሩስያ ከም ዝረኸባ ኣብ ቐረባ ግዜ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር። ይዅን እምበር ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ነዳዲ ካብ ካልኦት ኣፍረይቲ ክዕድጋ ይኽእላ እየን። ኣይኢኤ (ጥምረት ነዳዲ ዘእትዋ ሃገራት) ካብቲ ዘለወን እኩብ ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ 120 ሚልዮን በርሚል ዝኸውን ኣቕሪበን ኣለዋ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣሜሪካ ካብ ዝዓቘረቶ ነዳዲ ብርክት ዝበለ ክተቕርብ ዘኽእላ ትእዛዝ ከምዘሕለፈ ይዝከር። "ከም ስዑዲ ዓረብ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት'ዚ ዝያዳ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርባ ይኽእላ እየን፤ ካብ ኣሜሪካ እውን ተወሳኺ ቀረብ ክህሉ ይኽእል፡" ክትብል ኬት ዱሪያን ገሊጻ። ሩስያ፡ በቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ዋጋ ጸዓት ተሓጊዛ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣውሮጳ ካብ ዝለኣኸቶ ሰደድ ነዳዲን ጋዝን ብገምጋም 430 ቢልዮን ዶላር ከም ዝረኸበት ይፍለጥ። ኣውሮጳዊ ሕብረት ብሰንኪ እቲ ማዕቀብ ካብ ሩስያ ዝዕድጎ መጠን ነዳዲ ብ90 ሚእታዊት ከምዝንክዮ እንተ ገለጸ'ኳ እዚ ምሉእ ብምሉእ ክሳዕ ዝትግበር ሓያሎ ኣዋርሕ ስለዝወስድ ሩስያ ነዳዲ ንኻልኦት ሃገራት እናሸጠት ክትጸንሕ እያ። "ኣብ እስያ ዝርከባ ሃገራት ካብ ሩስያ ኣብ መዓልቲ ክሳዕ ሓደ ሚልዮን በርሚል ዘይቲ ክዕድጋ ይኽእላ እየን፡" ይብል ኣብ ትካል ሓበሬታ ጸዓት ኣርጉስ ሜድያ ቀንዲ ክኢላ ቝጠባ ዝዀነ ዴቪድ ፋይፍ። "ብሰንኪ እቲ ክሳዕ ሕጂ ዝተኣወጀ ማዕቀብ፡ ሩስያ ካብቲ ጠቕላላ ኣታዊ ነዳዲ ኵሉ እንተዘይኰነ'ውን ካብ ሲሶ ክሳዕ ፍርቂ ዝኸውን ኣታዊ ክትስእን ትኽእል።" ኣብ ልዕሊ ጸዓት ሩስያ ዝንበር ማዕቀብ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ተጠቀምቲ ጸዓትን ነዳድን ወጻኢታቶም እናወሰኸ እዩ ክኸይድ። ኣብቲ ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ትገብሮ ሰደድ ነዳዲ ቀይድታት እንተድኣ ተገይሮም፡ ዋጋታት ዝያዳ ክውስኽ እዩ። ኣብ ብሪጣንያ ኣቕረብቲ ጸዓት ዝሓትዎ ክፍሊት ብታሪፍ ዝተደረተ ስለዝዀነ ወጻኢታት ጸዓት ስድራ ቤት ብዙሕ ወሰኽ ኣየርኣየን። እንተዀነ፡ ኣብ ሚያዝያ እቲ ታሪፍ ክውስኽ ከሎ፡ እቲ ወጻኢታት'ውን ካብ 700 ፓውንድ ናብ 2,000 ፓውንድ ደይቡ እዩ። ቀውዒ ክኣቱ እንከሎ እቲ ታሪፍ እንደገና ከም ዝውስኽን ክሳዕ 3,000 ፓውንድ ከም ዝበጽሕን ትጽቢት ይግበር። ኣብ ብሪጣንያ ዋጋ ነዳድን ናፍታን እውን ወሲኹ እዩ። መንግስቲ ብወገኑ ግብሪታት ነዳዲ ከም ዝነከየ ኣፍሊጡ ኣሎ። ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክዕገት ዝኽእል እዩ ነይሩ፡ መጽናዕቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምዕጋት ምተኻእለ ነይሩ ክብል ሓደ ጉጅለ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቲ ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝወደቦ ኮይኑ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን መንግስታትን ዝሃቡዎ ምላሽ "መርዛም ዝተቃመመ መስተ" እዩ ነይሩ ብምባል ነቒፉ። እቲ ውድብ፡ ኮሮናቫይረስ ለበዳ'ዩ ካብ ዝበለሉ ግዜ ኣቐዲሙ ዓለማዊ ለበዳ ምዃኑ ክእውጅ ምኽኣለ ነይሩ ክብል እንከሎ፡ ህጹጽ ለውጢ ከይገበረት ዓለም ንኻልእ ለበዳ ተቓላዒት ኮይና እያ ኢሉ። ልዕሊ 3.3 ሚሊየን ህዝቢ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተ ይፍለጥ። ኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ተወሲዶም ዝጸንሑ ስጉምታት ከፍኩሳን ቅድሚ እቲ ለበዳ ዝነበረ ህይወት ናብ ንቡር ክመልሳን ክጅምራ እንከለዋ፡ እቲ ቫይረስ ሕጂ'ውን ኣብ ኤስያ ብዘሰክፍ መልክዕ ይውስኽ ኣሎ። ህንዲ ጥራይ መዓልታዊ ኣዝዩ ልዑል ቑጽሪ መልከፍትን ሞትን ትርኢ ዘላ ሃገር እያ። ሆስፒታላት እታ ሃገር'ውን ብሕጽረት ኦክስጅን ይሳቐያ ኣለዋ። ከም ኔፓል ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት ህንዲ'ውን ሓያሎ መጠን መልከፍቲ የመዝግባ ኣለዋ። እቲ መጽናዕቲ፡ እዚ ቫይረስ ከመይ ኢሉ 3.3 ሚሊየን ሰባት ክቐትልን ልዕሊ 159 ሚሊየን ሰባት ከጥቅዕን ክኢሉ ዝብል ሕቶ ንምምላስ'ዩ ተካይዱ። "እቲ ሕጂ ዘለናሉ ኩነታት ኣቐዲምካ ምክልኻል/ ምዕጋት ምተኽኣለ" ኢላ ኣደ መንበር እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ [ፕሬዝደንት ላይቤርያ ነበር]። "ይኹን'ምበር፡ ብምኽንያት ኣእላፍ ውድቀት፣ ክፍተት፣ ኣብ ምድላውን ግብረ መልሲ ምሃብን ምድንጓይ ብምንባሩ ኣብዚ በጺሕና" ኢላ። ኮሚቴ ህጹጽ ግዜ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ሕማም ኣብ ቻይና እንከሎ ዓለማዊ ሓደጋ ምዃኑ ክእውጅ ነይሩዎ፤ ነዚ ከኣ ሓደ ሰሙን ቐዲሙ ክእውጆ ምኽኣለ ክብል እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ይምጉት። እዚ ማለት፡ ኣብ ክንዲ ክሳብ 30 ጥሪ 2020 ዝጽበ፡ ብ22 ጥሪ 2020 ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ኣኼባ ክውስን ይኽእል ነይሩ ኢሉ። ይኹን'ምበር፡ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ቫይረስ ስግኣት ዓለም ምዃኑ ምስ ኣወጀ ዘሎ ግዜ ሃገራት ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት ግቡእ ስጉምታት ኣብ ምውሳድ ስለ ዝሓመቓ"ዝባኸነ" ግዜ እዩ ይብል። ኣብቲ እዋን፡ ውድብ ጥዕና ዓለም እገዳታት ጉዕዞ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ተገይሮም ክውሰዱ ኣለዎም ይብል ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ ኣመሪካን ኤውሮጳን ሆስፒታላት ብሕሙማት ክሳብ ዝመልኣ ወርሒ ለካቲት ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ከይወሰዳ ምጽንሐን ጠቒሱ። ብኻልእ ወገን፡ ሃገራት ነቲ ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክጨናነቕ ዝኽእል ስርዓት ጥዕና ኣብ ክንዲ ምድላው፡ መብዛሕትአን ብ"መን ወሰደ" ንሕንሕ መድሃኒታትን መከላኸሊ ኣቑሑትን ተጸሚደን ነይረን ኢሉ ይነቅፍ። ኣብ ቀጻሊ ካልእ ለበዳ ንምክልኻል የኽእሉ'ዮም ዝበሎም መገዲታት ከኣ ሓቢሩ ኣሎ። እዚኦም፥ ብሬክዚት፡ ቦሪስ ጆንሰን ብኣባላት ባይቶ ተሳዒሩ ንውሳነ ብዘይ ውዕል ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምውጻዕ ወይ 'ስምምዕ ኣልቦ ብሬክዚት' ዝኽእል ሕጊ ከይሓልፍ ንምዕጋት ኣብ ዝተገበረ ፈላሚ ኣኼባ፡ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶን ተቓውሞን ኣፍሺለሞ። እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ብሬክዚት ዝደናጎየሉ መዓልቲ ክህሉ ዝገብር 328 ን301 ዝኾነ ድምጺ ሂቦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ዝእዝዝ እማመ ከም ዘምጽእ ሓቢሩ። መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሌበር፡ ጄርሚ ኮርበይ ድማ፡ እቲ ብሬክዚት ንምጽዳቕ ዝወጽአ እማመ ምርጫ ቅድሚ ምክያዱ ክጸድቕ ኣለዎ ኢሉ ይካታዕ። ኣብዚ እዋን፡ ኣባላት ካቢኔ ሚኒስትራት ዝነበሩ ሓዊሱ ብሓፈሻ 21 ኣባላት እቲ ብቦሪስ ጆንሰን ዝምራሕ ሰልፊ ዓቃባውያን፡ ናብ ጸግዒ ሓሳብ ተቓወምቲ ሰልፊታት ተጸምቢሮም ንሓሳብ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነጺገሞ ኣለው። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ውሳነ እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዘሎ ልዝብ ብሬክዚት፡ "ዚያዳ ዝወላወል፣ ዝተደናጎየን ዝተሓላለኸን" ዝገብሮ'ዩ ኢሉ። እቶም ኣባላት ባይቶ መማረጺ ከም ዘስኣኑዎ ብምሕባር፡ ኣብ ጥቅምቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ ከም ዝገብር ገሊጹ፤ "ህዝቢ እዛ ሃገር ክመርጽ ኣለዎ" ድማ ኢሉ። እንተኾነ፡ ኣባላት ባይቶ ዝሃቡዎ ድምጺ ካብ ሎሚ ጀሚሩ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ክሳብ 31 ጥሪ ብሬክዚት ክደናጎ ክሓትት ዘገድዶ ሓድሽ መስቀለኛ-ሰልፊ ከቑሙ፣ ሓድሽ ስምምዕ ከጽድቑ ወይ ስምምዕ ዘይብሉ ምውጻእ ንዝብል ደጊፎም ኣብ 19 ጥቅምቲ ድምጾም ክህቡ ዕድል ክህቦም'ዩ። መንግስቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ግን፡ ወሳኒ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ቅድሚ ምክያዱ 15 ጥቅምቲ ምርጫ ከካይድ መደብ ከም ዘለዎ ቢቢሲ ክርዳእ ክኢሉ'ሎ። ጀርሚ ኮርበይ ግን፡ ብሓጋጊ ዝተደገፉ ዓመጽቲ ቶሪን ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶን ምርጨ ቅድሚ ምክያዱ፡ 'እቲ ብዘይ ስምምዕ ዝብል ጉዳይ ካብ ጠረጴዛ ክኣልዩዎ' ውሳኔ ከሕልፉ ኣለዎም ኢሉ። ወሲኹ፤ "ኣብ መላእ ሃገር ስምምዕ ከይፈጠርካ፡ እቲ ኣብዝሓ ብዝህቦ ድምጺ ምውጻእ የለን" ኢሉ። ጥልያን፡ ስደተኛታት ሒዛ ዝነበረት መርከብ ናብ ላምፓዱሳ ክትኣቱ ኣፍቒዳ መንግስቲ ጥልያን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 82 ስደተኛታት ሒዛ ንሽደሽተ መዓልቲ ዝጸንሐት ኦሻን ቫይኪን ዝተባህለት መርከብ ናብ ላምፓዱሳ ክትኣቱ ኣፍቂዱ። መንግስቲ ጥልያን ከምዝበሎ፡ ነዞም ስደተኛታት ንኽኣተው ዘፍቀደሎም ቀንዲ ምኽንያት ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ክግዕዙ ስለዝተወሰነ እዩ ኢሉ። ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ነበር ማቴዮ ሳልቪኒ፡ ነተን ናይ ረድኤት መራኸብ፡ ስደተኛታት ሒዘን ናብ ዓዲ ጥልያን ከየራግፋ ብቀጻሊ ይዓግተን ነይሩ። ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ጥልያን ሊዊጂ ደሜዮ ንቴለቨዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኤውሮጳዊ ሕበረት ንሕቶና ተቀቢሉ፡ ንዝበዝሑ ስደተኛታት ክወስድዎም ስለዝተሰማምዑ እዩ ናብቲ ውሑስ ቦታ ክኣተው ተገይሩ ክብል ሓቢሩ። እንተኾነ ግን፤ እዚ ንወደባትና ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረና ፖሊሲ ናብ ክፍቲ ምምላስ ኣየመልክትን ኢዩ ክብል ገሊጹ። ትማሊ ቀዳም፡ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳይ ክሪስቶቨ ካስተነር ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ኤውሮጳዊ ስምምዕ ኣብ መንጎ ጥልያን፤ ጀርመን፤ ፖርቱጋል ከምኡ'ውን ላክስንበርግ ከም ዝተበጸሐ ሓቢሩ። ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን'ውን ብወገኑ፡ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝኣተው 25% ሚእታዊት ስደተኛታት ክትወስድ ምዃና ሓቢሩ'ሎ። እዞም ኣብ ላምፐዱሳ ክኣትው ተፈቂድሎም ዘሎ ስደተኛታት፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝደሓኑ ኮይኖም፡ እታ መርከብ 58 ደቂ ተባዕትዮ፤ 6ተ ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን 18 ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ተሰኪማ ነይራ። ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ጥልያን ግሪኽን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃን ቱርክን ስደተኛታት ሒዘን ብዝመጻ መራኽብ ተሸጊረን ምንባረን ዝዝከር እዩ። ዝሓለፈ ሐሙስ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝነበሩ 98 ስደተኛታት፡ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ከም ዝተወስዱ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሓቢሩ ነይሩ። እቶም ስደተኛታት ካብ ሃገራት ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ፤ ሶማልያን ሱዳንን ኮይኖም፡ እቶም 52 ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ እዮም። ብረግዚት' ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ብኸመይ ይጸልዎም? ብረግዚት ዝብል ቃልን መስርሕን፡ ማዕረ ብሪጣያውያን ዜጋታት፡ ንዝኾነ ኤርትራውያን ኮነ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሻቕሎት አእትዩዎም ዘሎ ዓቢ ዛዕባ እዩ። እዚ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ዘይተፈትሐን ገና ዝቕጽል ዘሎ ጉዳይ ፍትሕ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት-ኤውሮጳ ንባይቶን መንግስትን ብሪጣንያ ዘናወጸ ጉዳይ እዩ። ንምዃኑ ድሕረ ባይታ ብረግዚት እንታይ እዩ? ብኸመይከ እዩ ተሰላሲሉ? ብኸመይከ እዩ ተሰላሲሉ? ብ23 ሰነ 2016 ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት-ኤውሮጳ ክወጹኡን ክጸንሑን ረፈረንደም ኣካይዶም። ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ 71.8%፡ ኣስታት 30 ሚልዮን ሰባት፡ እቶም ኣስታት 18 ሚልዮን ማለት 15.9%፡ ካብ ኤውሮጳ ንውጻእ ክብሉ እንከለው እቶም 16 ሚልዮን 14.%፡ ከኣ ኣይፋል ክንጸንሕ ኣሎና ኢሎም። እዚ ንሰለስተ ዓመት ዝወሰደ መስርሕ ፍትሕ ብ29 መጋቢት 2019 እዩ ክውዳእ ተወሲኑ ነይሩ። እንተኾነ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ እቲ ፍትሕ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሕ ኣይከኣለን። ስለዝኾነ ከኣ እያ ቀዳመይቲ ምኒስተር ብሪጣንያ ድሕሪ ብዙሕ ድኻምን ጻዕርን ነቲ ፍትሕ ኩሉ ክሰማምዓሉ ብዝኽእል መንገዲ ክትውድኦ ስለዘይከኣለት ብገዛእ ፍቓዳ ካብ ስልጣን ተኣልያ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዓኣ ተኪኡ ስልጣን ዝሓዘ ቦሪስ ጆንሰን ግን ጉዳይ ብረግዚት ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ክውድኦ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ንመወዳድርቱ በሊጹ ስልጣን ቀዳማይ ምኒስተርነት ዝተረከበ እውን ጉዳይ ብረግዚት ከፈጽም ይኽእል እየ ስለዝበለ እዩ። ካብቲ ናብ ብረግዚት ዘምረሐ ሓያሎ ጉዳያት ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ብስደተኛታትን ሰራሕተኛታት ጎረባብቲ ሃገራት (ማይግራንት) ተወሪርና፡ ነቲ ሕብረት እንኸፍሎ ገንዘብ ብዙሕ እዩ። ካብ ሕብረት ኤውሮጳ እንተወጺእናን ዶባትና እንተተቖጻጺርና ግን ሰኸም ስደተኛታት ክጎድለልና ይኽእል እዩ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ዝመንጨወ እዩ። ረፈረንዱም ምስተኻየደ ዝበዝሕ ህዘቢ ዓለም ብሪጣንያ ፍትሕ ኣይክመርጹን እዮም ዝብል ርእይቶ እዩ ነይሩዎ ግን በንጻሩ ኮይኑ፡ እቲ ሽዑ ንብሪጣንያ ዝመርሕ ዝነበረ ዴቪድ ካሜሮን ከኣ ብፍቓዱ ስልጣን ለቒቑ ተኣልዩ። እቲ ፍትሕ ከመይ ይኹን መን እንታይ ክገብር ይኽእል። ጠቕሊልና ፍትሕ ድዩ ወይስ ኣብ ገለ ምርድዳእ ክግበር ይከኣል እዩ ዝብል ክትዕ ሰለስተ ዓመት ወሲዱ። ክሳብ ሕጂ ከኣ ንባይቶ ብሪጣንያ ብኹሉ ነገር ጸሚዱ ሒዙዎ ይርከብ ኣሎ። እቶም ፍትሕ ቁጠባዊ ውድቀት ከኸትለልና እዩ ዝብሉ፡ ግን ከኣ ብድምጺ ብልጫ ዝተሳዕሩ፡ ቶኒ ብሌር ከይተረፈ ዝርከቦም ዓበይቲ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር እቲ ጉዳይ ክሕሰበሉን ዳግማይ ረፈረንዱም ክካየድን ክሓቱ ጸኒሖም እዮም። ግን ከኣ ብመሰረት ዲሞክራሲያዊ ምሕደራና ድምጺ ብዙሓን ኢና ከነኽርብ ዝግባእ ዝብሉ ወገናት ዝያዳ ተሰማዕነት ስለዝሓዙ ጉዳይ ብረግዚት ንብሪጣንያ ሻቕሎት ኮይኑዋ ኣሎ። ወናን ኣስመራ ሬስቶራንተ ኣብ ለንደን ቴድሮስ ተኽለ፡ ብረግዚት ዝበሃል ዘረባ ካብ ዝመጽእ ንግድ ትካሉ ከምዝዘሓለ ይዛረብ። "ብዙሕ ሰብ፡ ድሕሪ ፍትሕ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ እንታይ ክስዕብ ከምዝኽእል ስክፍታ ስለዘለዎ፡ ወጻኢታቱ ንምቑጣብ ኣይሕሽሽን እዩ ዘሎ" ክብል ነቲ ዘሰክፎ ሃዋሁው ይገልጽ። ኣብ ሸፐርድ ቡሽ ኣብ ጽባቐን ምምልኻዕን ዝሰርሕ መስፍን በላይ ብወገኑ፡ ብረግዚት ዝበሃል ምስ መጽአ ሰብ ነቲ ዘይፈልጦ መጻኢ መታን ክቕረብ ጅቡኡ ይቑጡብ ብምህላው ስራሕ ይዝሕሎ ከምዘሎ ይነግር። ይኹን እምበር ይብል መስፍን፡ "ፖለቲከኛታት እዛ ሃገር ንህዝቦም ክብሉ ነቲ ጉዳይ መዓልቦ ክገብሩሉ ስለዝኾነ ሻቕሎተይ ድሩት እዩ" ይብል። እቲ ኩነታት ሎሚ እውን ገና ኣይተወደአን፡ ትማሊ ንኣብነት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንሓሳባት ዓባይ ብሪጣንያ ክትሰምዕ ድልውቲ ምዃና ዶናልድ ታስክ ገሊጹ። ፕረዚደንት ባይቶ ኤውሮጳ ፕረዚደንት ዶላንድ ታስከ ሕብረት ኤውሮጳ "ሓሳባት ዓባይ ብሪጣንያ ክትሰምዕ ድልውቲ እያ" ቦሪስ ጆንሶን ከም "ሚስተር ኖ ክረአ ኣይደልን እዩ" ታስክ እንተደኣ ሓሳባት ናይ ጆንሰን ግብራዊ ኮይኑ ክሰምዖ ድለዉ ምዃኑ ቅድሚ ኣኼባ ጂ-7 ኣብ ዝገበሮ ኮንፈረንስ ሓቢሩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ብዘይ ስምምዕ ምውጻእ ዝብል ነገር ከምዘይተሓባበር ኣረዲኡ። ታስክን ጆንሰንን ብዛዕባ ብረግዚት ክዘራረቡ ሎሚ ክራኸቡ እዮም። ቦሪስ ጆንሶን ብሪጣንያ ብ31 ጥቅምቲ ብስምምዕ ይኹን ብዘይ ስምምዕ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትፋታሕ ምዃና እዩ ዝደፍእ ዘሎ። ሕብረት ኤውሮጳ ወትሩ ንዝርርብ ቅርብቲ እያ። እዚ ዘረባ እዚ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ጠቕሊላ ክትወጽእ ክልተ ወርሒ ተሪፉዋ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዝዓጸኻዮ ማዕጾ ከምዘይዓጸኻዮ ዘጨንቐካ ሕማም ኣእምሮ - 'ኦሲዲ' አዚ ዝዓጸኻዮ ማዕጾ ከይመይትዓጽወ ከጨንቐካ ዝግበር ሕማም ኣእምሮ OCD (Obsessive Compulsive Disorder) ይበሃል። ምስራቕ* (ነዚ ዛንታ ክበሃል ስማ ዝተቐየረ) "ኣእምሮይ ንሰለስተ ዓመት ዝሓሰብክዎ ንኹሉ ክጽሕፍ የገድደኒ ነይሩ" ትብል። ንሳን ድቃስን ካብ ዝራኸቡ ቀንዮም እዮም። "ኣብ ደፍተር፡ ወረቐት፡ ሞባይል፡ ኣብ ዝኾነ ነገር ጥራይ ይጽሕፍ ነይረ" ክትብል ንኹነታታት ትገልፅ። እቲ እትጽሕፎ ነገር ንኣንባቢ ትርጉም ዘይህልዎ ክኸውን ይኽእል። ግን ኩሉ ኣብ ኣእምሮኣ ዘሎ ነገር እንተዘይጸሒፋቶ ሰላም ኣይትረክብን። "ጸጉረይ ቅብኣት ተቐቢአ ጽቡቕ እንተመሲሉኒ ክጽሕፎ ኣለኒ" ክትብል ትዛረብ። እዚ ናይ ምጽሓፍ ድፍኢት ግን ሓደ መዓልቲ ተዓጊቱ። "ሓደ መዓልቲ ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢለ ክጽሕፍ ሓዲረ። እዚ ስምዒት፡ ኣብታ መዓልቲ ዝወጸለይ ይመስለኒ" ምስራቐ ብ 'ባይፖላር ዲስኦርደር' ዝበሃል ሕማም ኣእምሮ ትሳቐ ነበረት። “ኣዝዩ ከቢድ እዋን ኣሕሊፈ፤ ሕጂ ብህይወት ምህላወይ ይገርመኒ ኣሎ። ስራሐይ ኣቋሪጸ ነይረ። ንነብሰይ ክቆጻጸሮ ኣይከኣልኩን፡ ጭንቀት ድማ ኣሕዲሩለይ" ብምባል ንዘሕለፈቶ ትዝክር። ምስራቕ ብዛዕባ ሕማማ ንኻልኦት ክትነግር ኣይደለየትን። ምኽንያታ ድማ ‘መን ይሕግዘኒ?’ ዝብል ነይሩ። ድሕሪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እዚ ሕማማ ዳግማይ ተመሊስዋ። "እቲ ዝዓጸኽዎ ማዕጾ ዘይዓጸኹዎ ኮይኑ ይስምዓኒ። ብፍላይ ብዛዕባ ሓዊ ይጭነቕ ነይረ። ምድጃ ወሊዐ ዝሓደግክዎ ኮይኑ ይስምዓኒ። ብሰንኪ እዚ ምሉእ መዓልቲ ተደናጊረ እየ ዘሕልፎ" ክትብል ተረድእ። ንነዊሕ እዋን እቲ ኣብ ኣእምሮኣ ዝመጽእ ዝነበረ ሓሳብ ሕማም ከምዝኾነ ዝፈለጠት ኣብ ተለቪዥን ብዝረኸበቶ ሓበሬታ እዩ። ቢቢሲ "ቴራፒ ኣይወሰድክን ዲኺ?" ክብል ሓተታ። "ሕክምና ክወስድ ከለኹ፡ ኣእምሮኺ ስቕ ክብል ግበርዮ ይብሉ፡ ከምኡ ክገብር እንተዝኽእል ግን ንምንታይ ናብ ሕክምና ምኸድኩ" ዝብል መልሲ ሂባ። ሓኪም ዝተብሃለ ብሰብሞያ ሕክምና ዝተመስረተ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ "ኦሲዲ ብሓጺሩ ክግለጽ ከሎ፡ ጥርጣረ ዝፈጥር ዘሰክፍ ሓሳብ ነቲ ሓሳብ ንምዕፋን ዝውሰድ ተደጋጋሚ ስጉምቲን'ዩ" ክብል ነቲ ሕማም ይገልጾ። ብዛዕባ እዚ ሕማም ኣእምሮ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዝኾነ ዕድመ ክኽሰት ይኽእል እዩ። ጠንቂ እቲ ሕማም እንታይ ምዃኑ ግን ብርግጸኝነት ዝፍለጥ ነገር የለን። ዶክተር ዮናስ ባህረጥበብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ መምህር ስነ-ኣእምሮን ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ድማ ሓኪም ስነ-ኣእምሮን እዩ። እቲ ሓኪም ነዚ ሕማም ክገልጾ ከሎ፡ "ኣብ ኣእምሮና ዝመጽእ ሓሳብ ወይ ንሓደ ተግባር ብተደጋጋሚ ክንፍጽም ምድላይ፡ እንተላይ ኣብ ግብሪ ምውዓል" ከምዝኾነ ይሕብር። ዶክተር ዮናስ ከም ዝብሎ፡ በዚ ሕማም ኣእምሮ ዝሳቐዩ ሰባት፡ ነቲ ኣብ ኣእምሮኦም ብዘይ ድሌትና ዝመጽእ ሓሳባት ክቆጻጸርዎ ኣይክእሉን እዮም። "እዚ ብዘይ ድሌትና ዝመፀና ሓሳብ ባህ ዘየብልን ዘጨንቕን ክኸውን ይኽእል እዩ" ክብል ወሲኹ ይገልጽ። ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኣእምሮኣዊ ይኹን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ወይ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ብዓበዩ ነዚ ሕማም ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ። “ገለ ሰባት ኣብ ኣእምሮኦም ዝመጽእ ተደጋጋሚ ሓሳብ ጥራይ ክህልዎም ይኽእል እዩ። ካልኦት ከኣ ሓደ ነገር ደጋጊሞም ናይ ምግባር ብርቱዕ ድሌት ክህልዎም ይኽእል እዩ። ከምኡ ክገብሩ እንከዉ ድማ ቁሩብ እፎይታ ዝረኽቡ ይመስሎም" ይብል እቲ ዶክተር። ዶክተር ዮናስ ነዚ "ሓደ ሰብ ኣእዳው ዝረስሐ ዝመስሎ" ብምባል ይገልጾ። ምኽንያቱ እዚ ሓንሳብ ወይ ክልተ ግዜ ዘይኮነስ ብተደጋጋሚ ስለዘጋጥም፡ ኣእዳዉ ጽሩያት ምዃነን እኳ እንተፈለጠ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 30 ግዜ ክሕጸበን ይኽእል'ዩ። “ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ዘለዎም ዝመስሎም ሰባት ኣለዉ። እቲ ሰብ ዋላ ተመርሚሩ እቲ ሕማም ኣብ ደሙ ከምዘየለ እንተተረጋጊጸ’ውን ነዚ ሓሳብ ደው ከብሎ ኣይክእልን እዩ" ብምባል ብኣብነት የቐምጥ። ዶክተር ዮናስ ከም ዝብሎ፡ እዚ 'OCD' ዝበሃል ሕማም ኣእምሮ ኣብ እንሰርሓሉ እዋን ወይ ኣብ ዝኾነ ንጥፈታት ህይወትና ክመጸና ስለ ዝኽእል ብሓሳብ ክንጽመድ ክገብረና ይኽእል። “ዘይንደልዮ ንፈጣሪና ዘሕዝን ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ይመጽእ። ደው ከነብሎ ኣይከኣልናን እናበሉ ንሕክምና ናባና ይመጹ" ይብል እቲ በዓልሞያ። ዶክተር ዮናስ፡ እዚ ኩነታት ሕክምና ክሳብ ዘድሊ ክሰጋገር ተኽእሎ ስለዘሎ፡ ምልክታቱ ምርዳእ ኣገዳሲእዩ ይብል። ካብዚ ወፃኢ እዚ ኩነታት ከም ባህሪ ጥራሕ ዘለዎም ሰባት ብዓብዪ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ይገልጽ። እንፍጽሞ ተደጋጋሚ ተግባራት ግን ጭንቀት ከስዕበልና ከም ዝኽእል ዶክተር ዮናስ ይገልጽ። እዚ ሕማም ዝፍውስ ሕክምና እኹል ከምዘይኮነ ትገልጽ ምስራቕ፡ ሕጂ ብጸሎትን በቲ ዝተዋህበኒ መድሃኒትን ለውጢ የርኢ ኣለኹ ትብል። ንሕማማ ዝተዋህባ መድሃኒት ኣብ መጀመርታ ሕማማ ከምዘግደዶ ትዝክር። "ብሰንኪ እዚ ልዕሊ ክልተ ግዜ ነቲ መድሃኒት ቀይረዮ" ክትብል ትዛረብ። እዚ ሕማም ንዘለዎም ሰባት ዝወሃብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ሕክምና ኣሎ። ሓደ ካብኡ ኣገልግሎት ምኽርን እንትኾን ንዘይተደልየ ሓሳባትካ ብኸመይ ከም እትቆጻጸሮ ክትመሃር ዘኽእል ሜላ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ንኣእምሮን ኣካልን ንምዝንጋዕ ዝግበር ሕክምና እዩ። "ንኣብነት ኣስተንትኖ፡ ከም ዮጋ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስ ኣካላትን ማሳጅን ይርከብዎም።" ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ሕማም ደው ከብሎ ዝኽእል መፍትሒ፡ ነቲ ንሕማም ዝተዳለወ መድሃኒት ምውሳድ እዩ። ከከም ዓይነትን ደረጃን ሕማም ናይቲ ሰብ፡ እዞም ዓይነታት ሕክምና ነቲ ሕማም ንምፍዋስ ክሕግዝ ከምዝኽእል ዶክተር ዮናስ ይዛረብ። ሕጂ ትሓዊ ምህላዋ ትዛረብ ምብራቕ፡ ሰባት ከምዚ ዓይነት ምልክታት እንተ ኣጋጢምዎም ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽቡ ትመክር። በዲዶ ህበይ፡ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ሰባት ብሰንኪ በዲዶ ህበይ ሞይቶም ብራዚልን ስጳኛን ንመጀመርታ ግዜ ብበዲዶ ህበይ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጸን። ኣብ ብራዚል ዝነብር ወዲ 41 ዓመት ሰብኣይ ንፈለማ ግዜ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ኰይኑ። ስጳኛ ብወገና ነዊሕ ከይጸንሐት ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ኣፍሊጣ። እዚ ኸኣ ኣብ ኣውሮጳ፡ በዚ ሕማም ዘጋጠመ ናይ መጀመርታ ሞት እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በዲዶ ህበይ 'ዓለማዊ ስግኣት' ምዃኑ ወድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝኣወጀ ይዝከር። እንተዀነ ግን ረኽሲ በዲዶ ህበይ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎኡ ዝሕል ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ንህዝቢ ብሓፈሻ ዘስዕቦ ሓደጋ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ብዓርቢ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል፡ እቲ ግዳይ ሊምፎማ ዝበሃል መንሽሮ ስርዓተ ሊምፍ ዘስዓቦ ዝደኸመ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ከም ዝነበሮን "ኣብ ሓደ ግዜ ክልተ ዓይነት ሕማማት ነቲ ኵነታቱ ከምዘጋደዶን" ገሊጹ። ብራዚል ክሳዕ ሕጂ ቫይረስ በዲዶ ህበይ ከም ዘለዎም ዝተረጋገጹ 1,066፡ ከምኡ'ውን ዘይተረጋገጹ 513 ሰባት ከምዘለዉ ኣፍሊጣ እያ። ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ብራዚል ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመለክቶ ካብቶም ዝተረገጋጹ ሕሙማት ልዕሊ 98 ሚእታዊት ሕደጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሰብኡት እዮም። ድሕር'ዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሚኒስትሪ ጥዕና ስጳኛ፡ ኣብ ኣውሮጳ ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ንፈለማ ግዜ ሰብ ከም ዝሞተ ኣረጋጊጹ። እቲ ሰብ ብሰንኪ ረኽሲ ወይ ቍጥዐ ኣካላት ዝመጽእ ሕማም ነድሪ ሓንጎል (encephalitis) ነይርዎ። ትማሊ ቀዳም ድማ ምስ በዲዶ ህበይ ዝተተሓሓዘ ካልኣይ ሞት ከም ዘጋጠመ ሰበ ስልጣን ስጳኛ ኣረጋጊጾም። ሚኒስትሪ ጥዕና ስጳኛ ከም ዝሕብሮ፡ ካብቶም 3,750 በደዶ ህበይ ዝሓመሙ ሰባት 120 ወይ 3.2% ተሓኪሞም ሓውዮም እዮም። ብመሰረት ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማማት ኣሜሪካ ኣብ መላእ ዓለም 21,148 በዲዶ ህበይ ዝሓመሙ ሰባት ኣለዉ። እቲ ሕማም መብዛሕትኡ ቀልጢፉ ዝሓዊ ኰይኑ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝሓልፈሉ ዕድል ትሑት እዩ። ይዅን እምበር ኣብ ህጻናት፡ ነፍሰ ጾር ኣደታትን ድዅም ዓቕሚ ምክልኻል ኣብ ዘለዎም ሰባት ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማእከላይን ምዕራባውን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘጋጥም ሕማም እዩ። ካብዘን ሃገራት ወጻኢ ምስ ጕዕዞ ብዝተሓሓዝ ምኽንያታት ክርአ ይኽእል። ሰበ ስልጣን ጥዕና፡ ከም ሕደ ጾታውያን፤ ምስ ክልቲኡ ጾታ ርክብ ዝፍጽሙ ሰባትን ከምኡውን ከም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ዝኣመሰሉ ነቲ ሕማም ዝተቓልዑ ሰባት ክኽተቡ ከም ዝግባእ ይላበዉ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ በዲዶ ህበይ 'ዓለማዊ ስግኣት' ተባሂሉ ምእዋጅ ምዕባለ ክታበትን ሰጕምቲታት ተግባራዊ ናይ ምግባርን መስርሕ ብምቅልጣፍ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ከም ዝሕግዝ ገሊጹ ነይሩ። ዶክተር ቴድሮስ፡ ስግኣት ሕማም በዲዶ ኣብ መላእ ዓለም መጠኑ ዝሓለወ'ኳ እንተዀነ ኣብ ኣውሮጳ ግን ልዑል እዩ ኢሉ። እንተዀነ "እዚ ጕጅለታት ቅኑዕ ስትራተጂ ተጠቒሞም ክዓግትዎ ዝኽእሉ ለበዳ እዩ" ይብል። ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሃገራት ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምቍጽጻርን ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ንምዕቋብን ኣድላዪ ስጕምትታት ንኽወስዳ ዘተባብዕ መስርሕ ሓሳብ ከቕርብ እዩ። ኣብ ገጽና ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሓሳኹ ገጽና ንመጽረዪ ወይ ንመመላኽዒ ተባሂሎም ዝፈርዩ ንጥዕና ቈርበት ዝዀኑ ቅብኣት/ኬሚካል መዓልታዊ ንጥቀም ንኸውን። ግን፡ ብዛዕባ እቲ ምሉእ ዕድመ ህይወቱ ኣብ ውሽጢ ገጽና ዘሕልፍ ዴሞዴክስ ፎሊኵሎርም ዝተባህለ ደቂቕ ሓሰኻ [mite] እንታይ ንፈልጥ? ኣብ ገጽና ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሓሳኹ ገጽና ንመጽረዪ ወይ ንመመላኽዒ ተባሂሎም ዝፈርዩ ንጥዕና ቈርበት ዝዀኑ ቅብኣት/ኬሚካል መዓልታዊ ንጥቀም ንኸውን። ግን፡ ብዛዕባ እቲ ምሉእ ዕድመ ህይወቱ ኣብ ውሽጢ ገጽና ዘሕልፍ ዴሞዴክስ ፎሊኵሎርም ዝተባህለ ደቂቕ ሓሰኻ [mite] እንታይ ንፈልጥ? ምሸት ምሸት፡ 0.3 ሚሊ ሜትር ንውሓት ዘለዎም ፍጥረታት፡ ሓደሽቲ ቀዳዳት ቈርበትና ኣናድዮም ብምውጻእ፡ ምስ መጻምዶም ይራኸቡ። እንተዀነ፡ እዞም ደቀቕቲ ፍጥረታት ዲኤንኤኦም እናተጓሕጐሐ ብምምጽኡ፡ ኣብ ጸገም ወዲቘም ከም ዘለውን ሓደጋ ምጥፋእ ከም ዘጋጠሞምን ሓደስቲ መጽናዕታት የመልክቱ። እንታይ’ዩ ኢልኩም ትሓስቡ ትህልው። ምናልባት፡ ናብ ሽቓቕ ኬድኩም መሕጸቢታት ገጽ ትጥቀሙ፣ ወይ ንገለ ደቓይቕ ገጽ ለኺኻ ዝጸንሕ ቅብኣት መሳሊ ትጥቀሙ ትህልው። እንተዀነ ነዞም ወትሩ ኣብ ገጽና ዝርከቡ ደቀቕቲ ሓሳኹ ኣይተረኻኽቡሎምን ኢኹም። ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሓጺብካ ከተውጽኦም ዘይትኽእል ክፋል ቈርበትና እዮም ዝነብሩ። ዘየሰክፈኩም እንተዀይኑ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ደቂ ሰባት ነዞም ደቀቕቲ ሓሳኹ ሒዝና ከም እንነብር ክንሕብረኩም። ኣብ ግዜ ምጥባው ዝመሓላለፉ ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ማህጸን ወጺእና ውልድ ካብ ዝበልናላ መዓልቲ ጀሚሩ፡ መነባብሮኦም የማችቻኡ። ዶክተር ኣልጃንድራ ፔሮቲ ተመራማሪት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪዲን፡ ነዞም ደቀቕቲ ሓሳኹ ምቹእ ቤት ብምሃብናን፡ ምስኦም ጽቡቕ ምሕዝነት ፈጢርናን ክንነብር ብምኽኣልናን “ከነመስግን” ይግባእ ትብል። “ብጣዕሚ ንኣሽቱን ጽቡቓትን’ዮም። ኣብ ቈርበትና ምህላዎም ከተሓሳስበና የብሉን። ኣብ ገጽና ንዘለው ነዃላት ዘጽርዩን ዘልምጹን ንሳቶም’ዮም” ትብል። ወሲኻ፡ “ኣይትጨነቑ፡ እዞም ብማይክሮስኮፕ ዝርኣዩ ንኣሽቱ ፍጥረታት ምሳኹም ብምንባሮም ተሓጐሱ፤ ኣይጐድእኹምን” ኢላ ትመክር። ደቂ ሰባት ምስዞም ደቀቕቲ ፍጥረታት ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለናን፡ ቍጽሮም ካብ ካልኦት ነፍሳት ኣዝዩ ዝወሓደ ቝጽሪ ጅን ከም ዘለዎን መጽናዕታት የመልክቱ። ሰብነት እዞም ደቀቕቲ ፍጥረታት ዝሕሉ ጅን፡ ብሰንኪ ብርሃን ኣልትራቫዮሌት ዝጠፍእ ኰይኑ፡ እዞም ፍጥረታት ምሸት ምሸት ጥራይ’ዮም ዝነቕሑ። ኣብቲ ለይቲ ዝገብርዎ ንጥፈታት ድማ፡ ከነዕለብጥ ወይ ክንመጣላዕ ይገብረና። “ምሸት፡ ንሕና ኣብ ህልም ዝበለ ድቃስ እንከለና ንሳቶም ኣብ ገጽና ዘለው ነዃላት ኣናድዮም ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙን ይወልዱን” ትብል ዶክተር ፔሮቲ። እንተዀነ፡ ናይዞም ሓሳኹ ጀነቲካዊ ብዙሕነት እናወሓደ ብምምጽኡ ኣባና ዘለዎም ጽግዕተኛነት እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ፤ እዚ ማለት እዞም ንኣሽቱ ፍጥረታት ሓደጋ ምጥፋእ ኣጋጢምዎም ኣሎ። ንኣብነት፡ ነዞም ደቀቕቲ ፍጥረት ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ፡ ነዞም ሓሳኹ ዘንቅሖምን ዘደቅሶምን ጅን ክረክብ ፈቲኑ፤ ግን ኣይረኸበን። ኣብ ክንድኡ፡ እዞም ደቀቕቲ ፍጥረታት፡ ንሕና ምስ ደቀስና ኣብ ቈርበትና ዝርከብ ንእሽቶ መጠን ሆርሞናት ኣሊሾም ዝወጽኡ ኰይኖም፡ እዚ ድማ ንኽነቕሑ ከም ዝገብሮም ምሁራት ይሕብሩ። በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር፡ ተመራመርቲ እዞም ሓሳኹ ንኸይጸንቱ ሰጊኦም ዘለው። ንዓና ኣብ ዝለምዱሉ እዋን ጅን ይስእኑ፣ ኣብ መወዳእታ ብህይወት ንኽነብሩ ጽግዕተኛታትና ይዀኑ። በዚ ምኽንያት ካብ መናፊት ቆርበትና ወጺኦም መጻምዲ ከናድዩ ኣይክእሉን። ከም ውጽኢት'ዚ እቲ ንኽራብሑ ዘኽእሎም እንቋቝሖ ኣብ ሓደ ቦታ ከም ዝእከብ ይኸውን። ስለዚ፡ እዞም ፍጥረታት እንተጠፊኦም እንታይ’ዩ እቲ ጸገም? ትብሉ ትዀኑ። እዞም ሓሳኹ፡ “ምስ ጥዑይ ቈርበት ዝተተሓሓዙ’ዮም። ስለዚ እንተጠፊኦም ቈርበት ገጽና ጸገማት ከጋጥሞ’ዩ፡” ትብል ዶክተር ፔሮቲ። ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሆስፒታል ትግራይ ብጥምየት ንዝሳቐዩ ህጻናት መግቢ ከምዘይብሉ ተገሊጹ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ሱራፌኤል መዓርግ ኣብታ ብኲናት እትሕመስ ዘላ ትግራይ፡ ዝዓበየት መወከሲት ሆስፒታል ብዘይ ሓገዝ ይቕንዞ ኣሎ። እቲ ስግኡ ኣብ ዝወደአ ዝዓጠረ ቆርበት ዝተረበ መሰናግልኡን ኣብ ጎዳጕዲ ገጹ ዝፈጠጠ አዒንቱን ነቲ ጸገም ኣጕሊሑ የርኢ። ሱራፌኤል ሓደ ካብቶም ብሰንኪ’ቲ ን14 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ኲናት: ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባ ዝሳቐዩ ዘለው ህጻናት እዩ። ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዘገልግል ሓኪም ህጻናት፡ ህጻን ሱራፌኤል ሓደ ኪሎ ትሕቲ እቲ ዝተወልዶ ሚዛን 2.3 ኪግ ይምዘን ከምዘሎ ንሮይተርስ ገሊጹ። መጠንቀቕታ፦ ንገለ ኣንበብቲ ክርብሽዝኽእል ምስሊ ምህላው ነዘኻኽር ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ኣብ ዝዘርግሕዎ ሕክምናዊ ጽሑፋት፡ ኣጥባት ወላዲት እቲ ዓጽምን ቆርበትን ተሪፉ ዘሎ ህጻን ሱራፌኤል ነቒጹ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ስራሕ ቦዂሮም ዘለው ወለዱ ናይ ታኒካ ጸባ ክረኽብሉ ከም ዘይክእሉ ገሊጾም። ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ንከም ሱራፌኤል ዝኣመሰሉ ቘልዑ ከም መድሃኒት ዝወሃብ ኣገዳሲ መግቢ ህጻናት ከምዝወድኡ ሓቢሮም። ኣብቲ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሓኪም፡ "ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ወርሒ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዝዀነ ይኹን ቀረብ ኣይመጽአን" ብምባል፡ ስድራ ቤቱ ዒላማ ንከይኾኑ ብምስጋእ መንነቱ ክዕቀበሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ ። "ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝመጸና ቀረብ ተወዲኡ እዩ። ሕጂ ምንም የብልናን" ኢሉ ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ሕክምና ንዓለምለኸ ትካላት ረድኤት ሓገዝ ዝሓትት ሪፖርት ኣቕሪቦም ። ኣብ መጽናዕቶም ከኣ ንሱራፌኤል ኣቕሪቦምዎ ኣለው። እቶም ሓካይም ልዕሊ 40 ሚእታዊት ካብቶም ናብ ሕክምና ዝመጽኡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፡ ብሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዑ ምዃኖም፡ እዚ ከኣ ዕጽፊ ናይቲ ብ2019 ዝነበረ ኩነታት ምዃኑ የረድኡ። እቲ ዓጽምን ቆርበትን ጥራሕ ዝተረፈ፡ ወዲ ኣርባዕተ ዓመት መድሃኔ ብኣፍንጭኡ ብቱቦ እናተመገበ ኣብ ዓራት ሆስፒታል ደቂሱ ኣሎ። ወተሃደራት ኣብዑሮ ስድርኡ ሓሪዶም ንብረቶም ምስ ኣዕነዉን ምስ ዘረፉን፡ ብዋሕዲ ምግቢ ኽሳቐ ከም ዝጀመረ ሕክምናዊ ጸብጻቡ ይገልጽ ። ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፈደራል ኵናት ብምውልዑ፡ ኣብ ትግራይ ኩሉ ናይ መራኸቢ መሳለጥያ ስለእተዓጽወ ቢቢሲ ንዝርዝር ሓበሬታ ናይቶም ዶክተራት ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ጋዜጠኛታት 'ውን ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም ናብ ትግራይ ክበጽሑ ኣይከኣሉን ። ንመድመይቲ በእዳውና ክንዓግቶ ንጽዕር እቶም ሓካይም ኣብ ጸብጻቦም ፡ ሓይልታት ፌደራልን መሻርኽቶምን ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ብዘካየድዎ "ዕጽዋ" ዘጋጠመ ሕጽረት መድሃኒታትን መሳርሒታትን ክድሕኑ ንዝኽእሉ ነብሳት ንሞት ኣቃሊዑዎ ምህላው ይወቕሱ ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ "ክልል ትግራይ ብኹሉ ሸነኹ ስለዝተኸበ 35 ሕሙማት ብሰንኪ ኣገልግሎት ደያሊሲስ [ሕክምናዊ ሓገዝ ምሕጻብ ኩሊት] ህይወቶም ስኢኖም" ይብል። እቶም ሓካይም፡ ብሰንኪ ሕጽረት መሳርሒ፡ ንመድመይቲ ብጥራይ ኢዶም ክዓግቱዎን ዝተጠቐምሉ ጓንቲ ዳግማይ ሓጺቦም ክጥቀሙን፡ ባዕላቶም ጸረ ብከላ መተሓጻጸቢ ፈሳሲ ከዳልዉ ከምዝተገደዱ ይገልጹ። ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግን፡ እቲ ጸብጻብ ህወሓት "ዛንታ ንክፈጥር ... ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተዋደደ እገዳ ከም እተገብረ ንክገልጽ ዘዳለዎ እዩ ዝመስል” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። "ብወገን መንግስቲ፡ ኣብ ትግራይ ንህዝብና ዝጐድእ: ኰነ ተባሂሉ ዝተገብረ ነገር የለን" ኢሉ። ይኹን እምበር፡ ትካላት ረድኤት እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ናብ ትግራይ እኹል ረድኤት ክኣቱ ብዘይምኽኣሉ ከማርራ ጸኒሐን እየን። ብመሰረት ብ30 ታሕሳስ ዝተዋህበ እዋናዊ ጸብጻብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት (ኦቻ)፡ ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ኣትሒዙ ብሰንኪ ቢሮክራሲያዊ ሕልኽላኽ ናይ ረድኤት መካይን ናብ ትግራይ ኣይኣተዋን። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ነቲ ዘሎ ሕጽረታት መግብን ጸገምን: ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ፡ መዓልታዊ ኣስታት 100 ረድኤት ዝጸዓና ዓበይቲ ማካይን ክኣትዋ ከምዘድሊ ሓቢሩ። ኦቻ ከምዝሓበሮ ግን ዛጊድ 12 ሚእታዊት ናይቲ ቀረብ ጥራይ እዩ ናብቲ ዞባ ኣትዩ ዘሎ ። ብዛዕባ ረድኤት ንዝምልከት ጉዳይ ምላሽ ዝሃበ ኣቶ ለገሰ ግን "ካብተን ንትግራይ ምግብን መድሃኒትን ጽዒነን ዝኣተዋ 1,100 መካይን፡ ልዕሊ 840 ገና ኣይተመልሳን ዘለዋ። እተን መካይን፡ ህወሓት፡ ዘይሕጋውያን ምልሻታት፡ ሓደስቲ ተዓለምቲ ወተሃደራትን ንምምልላስ ይጥቀሙለን ከምዘለው እዩ ዝጥርጠር” ኢሉ። ውድብ ህወሓት ግን ነቲ ሓይልታት ትግራይ ረድኤት ይዓናቕፍ ኣሎ ዝብል ክሲ ይነጽጎ። ይኹን እምበር ሓይልታቱ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ናይ ረዲኤት መኽዘናትን ናይ ጥዕና መደበራትን ከም ዝዘረፉ እዩ ዝኽሰስ ። እቲ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ዝሰርሕ ሓኪም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ስድራ-ቤታት ሰራሕተኛታት እውን ከይተረፉ በቲ ቅልውላው ይጽለዉ ከም ዘለዉ ኣረዲኡ ። "ውላደይ ናይ ቤንቲሽተ ነድሪ ኣለዎ፤ ግን ሕክምና ክረክብ ኣይከኣለን" ኢሉ ። እቲ ሕጽረት እንተቐጺሉ ከኣ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ብዘይካ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ምቁራጽ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ሓቢሩ። " ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ምንም ረድኤት የብልናን። ስለዝኾነ ከኣ ኢና ንማሕበረሰብ ዓለም ነፍልጥ ዘሎና። መብዛሕትአን ሆስፒታላትና ይዕጸዋ ኣለዋ " ኢሉ። ኣብ ኣሜሪካ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ንሓንቲ ቆልዓ ተኲስካ ብምቕታል ተኸሲሶም ኣኽበርቲ ሕጊ ኣሜሪካ ምስ ቅትለት ሓንቲ ጓል ሸሞንተ ዓመት ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ክልተ ቆልዑ ከፊቶምዎ ንዝነበሩ ናይ ክሲ መዝገብ ብምስራዝ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ክሲ መስሪቶም። እቶም ኣባላት ፖሊስ ብ 27 ነሓሰ 2021 ኣብ ፊላደልፍያ ናይ ኣብያተ ትምህርቲ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ከባቢ ናይ ተኵሲ ድምጺ ድሕሪ ምስምዖም'ዮም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረት መኪና ተኵሲ ከፊቶም። እቶም ፖሊስ እቲ ጥርጡር ኣብታ መኪና ኣሎ ብዝብል ግምት ናብታ መኪና እኳ እንተተኮሱ፤ ኣብታ መኪና ዝነበረት ህጻን ፋንታ ብሊቲ ግዳይ ኮይና። ኣኽበርቲ ሕጊ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ክልተ ኮተቴታት ኣቐድም ኣቢሎም ንሓድሕዶም ብምትኳሶም ዝሰዓበ ምዃኑ እዮም ክምጉቱ ጸኒሐም። ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ልዕሊ እቶም መንእሰያት ናይ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ቅትለት ክሲ ተመስሪቱ ነይሩ። እቶም 16ን 18ን ዝዕድሚኦም መንእሰያት ነቲ "ሞት ዘስዓበ ፍጻመ ኣበጊሶም'ዮም" ብዝብል ክምጉቱ ዝጸንሑ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንሞት ህጻን ፋንታ እቶም ኮተቴታት ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም ኢሎም ነይሮም። ሕጂ ግና እቲ ናይ ክሲ ፋይል ተሳሒቡ ኣሎ። በዚ ድማ ኣባላት ፖሊስ ሻሮን ሂል ዝኾኑ ዴቨን ስሚዝ፣ ሲን ፓትሪክ ዶላንን ብራያን ጀምስ ዴቫኒን ብቕትለትን ሸለልትነትን ተኸሲሶም ኣለው። ኣብቲ ከባቢ ጸጥታ ንምውሓስ ዝተዋፉ እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣብ ከባቢ 42 ሜተር ርሕቐት ናይ ተኵሲ ድምጺ ኣብ ዝሰምዑሉ ቁሊሕ ምስበሉ ናብኣታቶም ገጻ እትመጽእ መኪና ብምርኣዮም ተኵሲ ከፊቶም። እቶም ፖሊስ 25 ጠያይቲ ክትኩሱ እንከለው ኣብታ መኪና ዝነበሩ ፋንታን ጓል 12 ዓመት ሓፍታን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ተሃሪሞም። ኣኽባር ሕጊ ዞባ ዴላዌር ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ቅትለት ዘስዓበ ጠያይቲ በቶም ፖሊስ ከም ዝተተኮሰ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ከምዝተረጋገጸ ተዛሪቡ። ፋንታ ብሊቲ "በላሕ፣ ፍሕሽውቲ፣ ለዋህን ርእይ ኣቢልካ ባህታ እትፈጥረልካ ቆልዓ" ምንባራን ጠበቓ ስድራ ብሊቲ ተዛሪቡ። ቅልውላው ትግራይ፡ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ልዕሊ 7 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ዓንዮም ተባሂሉ ሚንስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ጌታሁን መኩሪያ ከም ዝበሎ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ምምሃር ምስትምሃር ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ኮሮናቫይረስ፣ ኲናት ትግራይን ጎንጽታትን፣ ውሕጅ ከምኡ'ውን ደርቂ ንመስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ዝተፈታተኑ ቀንዲ ብድሆታት ከም ዝነበሩ ከኣ ጠቒሱ። ብሰንኪ እቲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝልሑክ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ልዕሊ 7 ሽሕ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ገሊኦም ድማ ብኸፊል ከም ዝዓነዉ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሚንስተር ትምህርቲ ጌታሁን መኩሪያ (ዶክተር፣ ኢንጂነር) ከም ዝበሎ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ጥራይ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ተምሃሮን ልዕሊ 48 ሽሕ መምህራንን ካብ ምምሃር ምስትምሃር ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ኣብዚ እዋን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተላብዐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ትምህርቲ ከቢድ ዕንወት ከም ዘስዓበ እቲ ሚንስትር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣስፊሩ'ሎ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ ኣብ ክልል ዓፋር "88 ሽሕ ተምሃሮ ዝመሃሩሎም ዝነበሩ 455 ኣብያተ ትምህርቲ ብህወሓት ዓንየን" ኢሉ ምዝራቡ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን። ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ 140 ኣብያተ ትምህርትን ክልተ ኮሌጃት መሰልጣኒ መምህራንን ምሉእ ብምሉእ ከምኡ'ውን ብኸፊል ከም ዝዓነዉ ጌታሁን መኩሪያ ሓቢሩ። ንሱ እቲ ዕንወት ብሓይልታት ትግራይ ከም ዝተፈጸመ'ኳ እንተገለጸ ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብ ዝተቖጻጸርዎም ከባብታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ውልቃውን ህዝባውን ትካላት ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከም ዘየብጽሑ ይዛረቡ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘዕነዉ ድማ ይኽሰሱ። ካብዚኣቶም ሓደ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረ መሰናድኦ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮሃንስ ራብዓይ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣዕሪፎምሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከቢድ ዕንወት ከም ዝበጽሑሉ ንርእሰ መምህር እቲ ቤት ትምህርቲ ጠቒሱ ቴሌቪዥን ትግራይ ጸብጺቡ ነይሩ። መምህር ተወልደ ከም ዝበልዎ እቶም ወተሃደራት ከም መዕረፊ ይጥቀሙሉ ካብ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮሃንስ ክወጽኡ ከለዉ ኮምፒዩተራትን ካልኦት ናውቲ ትምህርትን ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት ኣዕንዮም'ዮም። ሂዩማን ራይትስ ዎች ቅድም ኢሉ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲን ዘመተን ከም ዝተፈጸሞም ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ሚንስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ጌታሁን መኩሪያ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ዘጋጠመ ዕንወት ልዕሊ 1.42 ሚልዮን ተምሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክተኣጓጎሉ ምዃኖም ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓውደ ትምህርቲ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ዝበጽሐ ዕንወት ዘረባ ዘስምዐ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ "ንዝሓለፉ ዓመታት ኣብያተ ትምህርቲ ብምህናጽ ዘመዝገብናዮ ዕብየት ናብ ድሕሪት ዝመልስ'ዩ" ኢሉ። ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ኮሮናቫይረስ፣ ኲናት ትግራይን ጎንጽታትን፣ ውሕጅ ከምኡ'ውን ደርቂ ንመስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ዝተፈታተኑ ቀንዲ ብድሆታት ከም ዝነበሩ ከኣ ጠቒሱ። ሚንስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ጌታሁን ነቲ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ትምህርቲ ዝበጽሐ ዕንወት "ዘሕዝን" ክብል ገሊጽዎ። ብሰንኪ'ቲ ቅድሚ ትሸዓተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ መሰረተ ልምዓት [ትሕተ ቅርጺ] ዕንወት ከም ዝበጽሖም ቅድም ክብል ዝተዘርግሑ ጸብጸባት የመልክቱ። ትካላት ሕክምናን ትምህርትን ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ኮይኖም ካልኦት መንግስታውን ውልቃውን ንብረት ድማ ዕንወትን ዘመተን ኣጋጢምዎም። መንግስቲ "በይናዊ ኣዋጅ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣዊጀ ኣለኹ" ብምባል ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ነሓሰ ካብ ትግራይ ምውጽኡ'ኳ እንተሓበረ ሓቅነት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ኣዋጅ ዘይተቐበሉ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምእታው መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ይርከቡ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ርእሲ'ቶም ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ዝተፈናቐሉን ንጥሜት ዝተቓልዑን ብሚልዮናት ዝግመቱ ሰባት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን'ውን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝተፈናቐሉ ይግለጽ። ጥዕና፡ ዝሞቱ ሰባት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክልግሱ ይኽእሉ'ዶ? ጥዕና፡ ዝሞቱ ሰባት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ክልግሱ ይኽእሉ'ዶ? ካብ ዝሞቱ ሰባት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምውሳድ ክፍቀድ ከምዘለዎ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቲ ኣብ 'ጆርናል ኦፍ ሜዲካል ኤቲክስ' ዝወጸ ትንታነ፡ ካብ ዝሞቱ ወይ ብህይወት ዘለዉ ሰባት ዝርከብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ፡ ፍቑድ ክኸውን ከምዘለዎ ይሕብር። ኣብ 2017 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ 2,345 ህጻናት ብዝተለገሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ተወሊዶም እዮም። ኮይኑ ግና ኣብታ ሃገር ብዘሎ ልዑል ቁጽጽር፡ ናይቶም ዝልግሱ ሰባት ቁጽሪ ይውሕድ ከምዘሎ ይግልጽ። ዘርኢ ተባዕታይ ካብ ዝሞቱ ሰባት፡ ብመገዲ ኤሌክትሪካዊ ቅስቀሳ ጽኪ ፕሮስቴት ወይ ድማ መጥባሕቲ ብምውሳድ፡ ኣብ ዛሕሊ ብምቕማጥ ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ይከኣል። ሓደ ወዲ ተባዕታይ ምስ ሞተ ክሳብ 48 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዘ ዝተወሰደ ዘርኢ፡ ብዘተኣማምን ደረጃ ጥንሲ ናይ ምፍጣርን ጥዕንኦም ዝተሓለወ ቆልዑ ክውለዱ ናይ ምግባርን ተኽእሎ ከምዘለዎ መረዳእታታት ይሕብሩ። ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ዶክተር ናታን ሁድሰንን ዶክተር ጆሽዋ ፓርከርን፡ ምልጋስ ዘርኢ ተባዕታይ ምስ ምልጋስ ክፍሊ ኣካላት ሰብነት ክምደብ ከምዘለዎ ይዛረቡ። ኮይኑ ግና ምስ ፍቓድ ቤተሰብን ናይቲ ለጋሳይ ፍረ ዘርኢ መንነት ብምስጢር ምስ ምዕቃብን ተተሓሒዙ ስክፍታታት ከምዘለዎም ይገልጹ። ብዝተለገሰ ዘርኢ ተባዕታይ ዝተወለደ ህጻን 18 ዓመት ምስ መልኦ ምስ ኣቡኡ ክራኸብ ከምዝኽእል ኣብ 2005 ዝረቐቐ ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ይድንግግ። ቅድሚ ሕዚ ዘርኡ ለጊሱ ዝፈልጥ፡ ጀፍረይ ኢንጎልድ፡ ዝሞቱ ሰባት ዘርኢ ተባዕታይ ክልግሱ ምግባር ንብዙሓት ከተባብዕ ከምዝኽእል ይዛረብ። ዘርኢ ምልጋስ ሰናይ ተግባር ከምዝኾነ ዝገልጽ ጀፍረይ፡ "ንዘድልዮም መሓዙት ናይ ምሕጋዝ ጉዳይ እዩ" ይብል። ብተወሳኺ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘሎ ናይ ምግላልን ኣረኣእያን ጸገም ንምቕራፍ ከምዝሕግዝ ይገልጽ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሸፈልድ ናይ 'ኣንድሮሎጂ' መምህር ዝኾነ ፕሮፌሰር ኣለን ፓሰይ ግን፡ ዝሞቱ ሰባት ዘርኢ ተባዕታይ ክልግሱ ምግባር ነቲ ናይ ምልጋስ ከይዲ "ንድሕሪት ዝጎትት" እዩ ይብል። "ዘርኦም ዝወሰደ ሰብ ክረኽቦም እንትደሊ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ክርከቡ ዝኽእሉን ጥዑያት ወለንተኛታት መናእሰይን ኣብ ምርካብ እንተንጽዕር ዝሓሸ እዩ'' ይብል። ሕጋዊ መስርሓት ድያኒ ዝተበሃለት ሓንቲ ውልቀሰብ ኣብ 1997 ናይ ዝሞተ ሰብኣያ ዘርኢ ክትጥቀም ኣብ ፍርዲ ቤት ኣብ ዘካየደቶ ክርክር ተፈቒዱላ'ዩ። በዓል ገዝኣ ስቴፈን ብለድ፡ ኣብ 1995 ሓዳር ምስ መስረቱ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሞይቱ። ስቴቨን ብጽኑዕ ምስ ሓመመ፡ ዋላኳ ዘርኡ ክትጥቀም ምስምማዑ ዝገልጽ ፊርማ እንተዘይገደፈላ፡ ብመሰረት ዘቕረበቶ ሕቶ ግን እቶም ሓካይም ዘርኢ ስቲፈን ወሲዶም ኣቐሚጦም። እቲ ብ1990 ዓ.ም.ፈ ዝወጸ ሕጊ ድማ ብዘይ ናይ ጽሑፍ ፍቓድ ዘርኡ ከይትጥቀም ዝኽልክላ እዩ ነይሩ። ናታ ይግባይ ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ ግን ዳያኒ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ወጻኢ ብምኻድ እቲ ናይ ዘርኢ ሕክምና ክትወስድ ፈቒዱላ። በዚ ድማ ጆኤል ዝበሃል ወዲ ዝወለደት ኮይና፡ ኣብ 2002 ዓ.ም.ፈ ስቴቨን ከም ኣቦ ናይ ወዳ ኮይኑ ክፍለጥ ዘኽእል ሞገት ቤት ፍርዲ ስዒራ። እንዛረቦ ቋንቋ ንኣተሓሳስባና ብኸመይ ይጸልዎ? ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንሓደ ሜዳ ብስያፍ ክትሰግሮ እንተትሕተት፡ እንታይ እንታይ ምገበርካ? 20 ዶላር ሎሚ ወይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኸኣ ዕጽፊ ክትወሃብ ኢኻ እንተትበሃል እንታይ ኢኻ ትሓስብ? 10 ኣሳእል ወለዶኻ - ኣቦኻ ኣቦሓጐኻ. . .- ብመስርዕ ግዜ ስርዓዮም እንተትበሃል ብኸመይ ምሰራዕካዮም ትኸውን? ካብ ላዕሊ ንታሕቲ፣ ካብ የማን ንጸጋም፣ ወይ ብኣንጻሩ? እዚ ሕቶታት እዚ ቀሊል ክመስል ይኽእል እዩ፤ እዚ ዘገርም ግን፡ ነዚ ሕቶታት ዝወሃቦ መልሲ በቲ እንዛረቦ ቛንቋ ወይ ቋንቋታት ዝጽሎ ምዃኑ እዩ። ‘Our New Book’ ኣብ እትብል መጽሓፍ ንኣገባብ ኣተሓሳስባና ዝጸልዉን ዝቈጻጸሩን ካብ ጀነቲካዊ ክሳብ ዲጂታላዊ ቴክኖሎጅን መወዓውዒን ብዙሓት ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታት ተዳህሲሶም ኣለው። ቋንቋ፡ ብዛዕባ ግዜን ቦታን ዘሎና ሓሳብ ወይ መረዳእታ ኣዝዩ ዝገርም ጽልዋ ከም ዘለዎ ይርአ። ኣብ መንጐ ቋንቋን ኣብዞም ክልተ ኣገደስቲ ነገራት - ግዜን ቦታን - ዘለና ኣረኣእያን ዘሎ ርክብን፡ ቀንዲ ሕመረት ‘ቲ ‘ምሕሳብ ኣድማሳውን ብቛንቋ ዘይጽሎን ነገር ድዩ ወይስ ሓሳባትና ብቛንቋና እዩ ዝውሰን?’ ዝብል ነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ክትዕ እዩ። ሎሚ ውሑዳት ተመራመርቲ እዮም ሓሳባትና ምሉእ ብምሉእ ብቛንቋ ከም ዝቕረጽ ዝኣምኑ። ዕሸላትን ቈልዑን ቅድሚ ምዝራቦም ከም ዝሓስቡ ንፈልጥ ኢና። ሓያለ ክኢላታት ኣብዚ እዋን ግን፡ ልክዕ ከምቲ ኣተሓሳስባናን ባህልናን፡ ቋንቋ ብኸመይ ከም ዝምዕብል ዝቐርጹ፡ ቋንቋ ንኣተሓሳስባና ክጸልዎ ከም ዝኽእል ይኣምኑ። "ብርግጽ ብኽልቲኡ ሸነኽ እዩ ዝኸይድ" ኢላ ትምጕት ቶራ ተንብሪንክ ዝተባህለት ክኢላ ቛንቋ ካብ ዩኒቨርሲቲ ባንጐር ብሪጣንያ። ቋንቋ ንኣተሓሳስባ ከም ዝጸልዎ ዝሕብር መርትዖታት ሸለል ክበሃል ከም ዘይክእል ዳንኤል ካሳሳንቶ ዝተባህለ ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ኮርነል ተመራማሪ ስነ-ኣእምሮ የቐምጥ። ንኣብነት፡ “ሰባት ዝያዳ ኣቓልቦ ዝህብዎ ነገራት” ከም ዝዝክሩ ንፈልጥ ኢና። ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንጾታ ይዅን ምንቅስቓስ፡ ሕብሪ ዝተፈላለዩ ነገራት ከነቕልበሉ የገድዱና እዮም። "እዚ ልብወታዊ/ተገንዝቦኣዊ መስርሕ ስለዝዀነ ዘካታዕ ኣይመስለንን፡" ይብል ካሳሳንቶ። ክኢላታት ቋንቋ፡ ኒውሮሳይንቲስት፡ ስነ-ኣእምሮኣውያንን ካልኦትን፡ ቋንቋ ንሓሳባትና ዝጸልወሉ መገድታት ንምቕላዕ፡ መብዛሕትኡ ንዝምድና ግዜን ቦታን ዝኣመሰሉ ንትርጕም ክፉታት ዝዀኑ ረቀቕቲ ኣምራት ኣተኵሮም ንዓሰርተታት ዓመታት ጻዕሪ ኣካይዶም እዮም። ሳይንሳዊ ውጽኢት ምርካብ ግን ቀሊል ኣይኰነን። ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰባት ጥራይ እንተ ኣነጻጺርና፡ ዝዀነ ፍልልይ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ባህሊ፡ ስብእና ወይ ካልእ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ። ቋንቋ፡ ነብስና ኣብ ምግላጽ ዝጻወቶ ወሳኒ ተራ’ውን ካብዞም ካልኦት ጽልዋታት ኣብ ግምት ከየእተኻ ምሕላፉ ኣጸጋሚ እዩ። ነዚ ሕንቅልሕንቅሊተይ ንምፍታሕ ዘኽእል መንገድታት ግን ኣሎ። ንኣብነት ካሳሳንቶ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤተ-ፈተነኡ፡ ሰባት ካብ ካልእ ቋንቋታት ዝመጹ ተምሌታት (ብቛንቋኦም) ከም ዝጥቀሙ ይገብር እሞ፡ እዚ ኣብ ኣተሓሳስባኦም እንታይ ጽልዋ ከም ዘለዎ ይምርምር። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ረቀቕቲ ኣምራት ንምሕሳብ ተምሳሌ ከም ዝጥቀሙ ዝፍለጥ እዩ፤ ንኣብነት፡ "ልዑል ዋጋ"፡ "ነዊሕ ግዜ" ወይ "ዓሚቝ ምስጢር". . . ወዘተ ንዝብሉ ሓሳባት ማለት እዩ። ነዚ፡ ካብ ዝተፈላለየ ባህልታት ዝመጹ ሰባት ምንጽጻር፡ ነቲ ውጽኢት ክጸልዎ ስለዝኽእል ኣይምረጽን እዩ። ኣብ ክንድኡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝዛረቡ ግን ካብ ሓደ ዓይነት ባህሊ ዝመጹ ሰባት፡ ኣተሓሳስባኦም ከመይ ከም ዝቕየር ኢኻ ተተኵር። ስለዚ ዝዀነ ባህላዊ ፍልልይ ካብቲ መዐየሪ ይእለ’ሎ ማለት እዩ። ቋንቋ ንሓሳባትና ብኸመይ ከም ዝቈጻጸሮ መጽናዕቲ ካብ ዝገበሩ ፍልጥቲ ሳይንሰኛ ልብወት፡ ሌራ ቦሮዲትስኪ፡ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ንግዜ ከም ሓደ ጋድማዊ [Horizontal] መስመር ከም ዝቘጽርዎ ክትዕዘብ ክኢላ። በዚ መሰረት፡ ኣኼባታት ን"ቕድሚት" ምድፋእ፣ ወይ ድማ ደረት ግዜ ድማ ኣብ "ድሕሪት" ከቐምጥዎ እዮም ዝሓስቡ ማለት እዩ። ግዜ፡ ካብ ጸጋም ናብ የማን ከም ዝጓዓዝ ገይሮም እዮም ክርእይዎ ዝኽእሉ። እዚ ኸኣ ምስቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ዝጽሓፈሉ ኣገባብ ዝሰማማዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ምስቲ ኣንፈት ጽሑፍ ዘሎ ርክብ ግንዛበ ግዜ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኦት ቋንቋታት’ውን ዝሰርሕ ይመስል። ንኣብነት፡ ካብ የማን ናብ ጸጋም ዘንብቡን ዝጽሕፉን ተዛረብቲ እብራይስጥ፡ ​​ንግዜ ልክዕ ከም ጽሑፎም ካብ የማን ዝጅምር ገይሮም እዮም ዝርእይዎ። ንሓደ ተዛራባይ እብራይስጥ ስእልታት ወለዶኡ ብመስርዕ ከቐምጦ እንተተሓቲቱ፡ ኣሳእል እቶም ዓበይቲ ብየማን ብምቕማጥ ጀሚሩ ናብ ጸጋም እዩ ዝመጽእ። ተዛረብቲ ቋንቋ ማንደሪን ግን መብዛሕትኡ እዋን፡ ንግዜ ከም ቀጥታዊ/ትዅላዊ [Vertical] መስመር ይቐርጽዎ። በዚ መሰረት፡ እቲ ላዕሊ ንሕሉፍ ታሕቲ ድማ ንመጻኢ ዝውክል እዩ። ንኣብነት ብዛዕባ መጻኢ ፍጻመታት ክዛረቡ ከለዉ ‘xia’ [ዚያ] ዝብል ቃል ይጥቀሙ። ስለዚ "ዝመጽእ ሰሙን" ቃል ብቓሉ ክትርጐም እንከሎ "ታሕታይ ሰሙን" ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ምስቲ ማንደሪን ዝጸሓፈሉ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝኸይድ እዩ። ኣብ ኣእምሮ እቶም ልዕሊ ሓደ ቋንቋታት ኣቀላጢፎም ዝዛረቡ ሰባት እንታይ ከም ዘጋጥም ምስ እንርኢ፡ እዚ ነገር’ዚ መሊሱ ዝገርም እዩ ዝኸውን። "ክልተ ቋንቋታት ምስ ዝዛረቡ ሰባት፡ ቃል ብቓሉ ክልተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብ ሓደ ኣእምሮ ምዕዛብ’ዩ" ይብል ፓኖስ ኣታናሶፑለስ ዝተባህለ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ላንካስተር ክኢላ ስነ-ቋንቋ። "እዚ ማለት፡ ቋንቋ ክቕየር እንከሎ እቲ ሰብ ባህርያቱ ክቕየር ይኽእል ማለት እዩ።" ብሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ግድን ክንቅየድ እንኽእል ኣይኰነን። ካሳሳንቶ፡ ሰባት ብመስትያት ዝተገልበጠ ጽሑፍ ንኸንብቡ ብምስልጣን፡ ንኣእምሮኣዊ ግንዛበ ግዜ ሰባት ቀልጢፍካ ክትመልሶ ወይ ክትቅይሮ ከም እትኽእል ኣርእዩ እዩ። ኣብ እንግሊዝኛን ኣብ ካልኦት ቋንቋታት ኣውሮጳን ብሓፈሻ፡ ሕሉፍ ከም ኣብ ድሕሪት መጻኢ ከኣ ኣብ ቅድሚት ጌርካ እዩ ዝሕሰብ። ኣብ ቋንቋ ሽወደን ንኣብነት ንመጻኢ ዝገልጽ ቃል ‘framtid’ ኰይኑ፡ ቃል ንቓሉ “ቀዳማይ መስመር” እዩ ዝትርጐም። እንተዀነ፡ በቲ ኣብ ቦሊቭያ፡ ቺለ፡ ፔሩ፡ ኣርጀንቲና ዝዝውተር ቋንቋ ‘ኣይማራ’ ዝዛረቡ ሰባት፡ ንመጻኢ ዘመልክት ቃል ክትርጐም እንከሎ “ድሕሪ ግዜ” ዝብል እዩ። እቶም ተዛረብቲ ብዛዕባ’ዚ ክምጕቱ እንከለው፡ መጻኢ እንርዮ ነገር ስለዘይኰነ፡ ከምዚ ብድሕሪት ዘሎ/ ዝተኸወለ ዓይነት ነገር ስለዝዀነ እዩ፡ ብድሕሪት ከም ዘሎ ዝምልከት ይብሉ። በዚ መረዳእታ’ዚ፡ ኣይማራ ብዛዕባ መጻኢ ክዛረቡ ከለዉ ንድሕሪት ዘመልክት ወስታታት እዮም ዝጥቀሙ። ብኣንጻሩ ተዛረብቲ ስጳኛ ንመጻኢ ዝገልጽ ዘረባ ክሕዙ እንከለው፡ ኣእዳዎም ወይ ወስታታቶም ንቕድሚት እዩ ዘመልክት። ብተመሳሳሊ፡ ልክዕ ከምቶም ኣይማራ፡ ተዛረብቲ ማንደሪን፡ መጻኢ ብድሕሪኦምን ሕሉፍ ኣብ ቅድሚኦምን ከም ዘሎን ገይሮም እዮም ዝግምቱ፥ ስለዚ ብቕድሚ ትማሊ ንምባል፡ "ቅድሚት መዓልቲ" ንጽባሕ ድማ "ድሕሪት መዓልቲ" ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ። ክልቲኡ ማንደሪንን እንግሊዝኛን ዝዛረቡ ሰባት፡ ኣብ መንጐ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ዘሎ ግንዛበ ብዛዕባ መጻኢ ኣብ ዝቐያይሩሉ ግዜ ምግርጫው የጋጥም። ሰባት ብዛዕባ ንውሓት ግዜ ንምዝራብ ቦታዊ ተምሳሌታት ክጥቀሙ ከም ዝፍትኑ ተመራማሪ ካሳሳንቶ ኣብ መጽናዕቱ ኣስተውዒልዎ እዩ። ንኣብነት ኣብ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ጀርመንኛን ቋንቋታት ስካንዲናቭያንን፡ "ነዊሕ" ኣኼባ፡ "ሓጺር" ዕረፍቲ ክበሃል ይኽእል እዩ። ካሳሳንቶ እዞም ተምሳሌታት ክንዮ ኣዘራርባ ምዃኖም እዩ ዝምጕት፤ ሰባት ን"ንውሓት" ግዜ ኣብ ቦታዊ መዐቀኒ ዝገልጽ ኣምር ኣቐሚጦም ይግንዘብዎ፡ ይብል። እቲ ተመራማሪ ኣብ መጀመርታ እዚ ንዅሎም ሰባት፡ ዝዛረብዎ ቋንቋታት ብዘየገድስ ኣድማሳዊ ክውንነት እዩ ኢሉ ይኣምን ነይሩ። እንተዀነ ኣብ ግሪኽ ኣብ ዝተኻየደ ሓደ ዋዕላ፡ ርኽበታቱ ኣብ ዘቕርበሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ እዚ መረዳእታ’ዚ ኣብ ቋንቋኣ ከምዘይሰርሕ ብምግላጽ ሓንቲ ተሳታፊት በዲሃቶ። ንሱ ግን ፈለማ ተገሪጩ ከም ዝመለሰላ ይኣምን፤ "እቲ ቀዳማይ መልሰይ ቅሩብ ንዕቀት ዝመልኦ እዩ ነይሩ" ይብል። ደሓር ግን፡ "ምዝራብ ኣቋሪጹ ክሰምዕ ከም ዝጀመረ" ይዛረብ። እቲ ውጽኢት ድማ ንመስርሕ መጽናዕቱ ቀይሩ፣ ኣክንዲ ኣድማሳውነት ኣተሓሳስባ ምስ ቋንቋ ዝተኣሳሰር ፍልልያት ኣተሓሳስባ ከተኩር ገበሮ። እቲ ዝረኸቦ ነገር እንተሃልዩ፡ ግሪኻውያን ንግዜ ከም ሓደ ሰለስተ ሸነኻዊ ኣካል፣ ንኣብነት ከም ክመልእ ዝኽእልን ጥርሑ ክኸውን ዝኽእልን ጥርሙዝ ገይሮም ክወስድዎ ከም ዝኽእሉ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ኣኼባ ንኣብነት፡ "ነዊሕ" ዘይኰነስ "ዓቢ" ወይ "ብዙሕ" ይኸውን፣ ዕረፍቲ ድማ "ሓጺር" ዘይኰነ "ንእሽቶ" ኰይኑ ይግለጽ ማለት እዩ። ኣብ ስጳኛ እውን ብተመሳሳሊ። "ብእንግሊዝኛ 'ነዊሕ ግዜ' ኢለ ክዛረብ እኽእል እየ፤ ነዚ ኣገላልጻ ብግሪኽ እንተተጠቒመሉ ግን ሰባት ከም ሓደ መስሓቄን እዮም ዝጥምቱኒ" ከኣ ይብል፤ "ብግጥማዊ መንገዲ ወይ ብኣግንኖ ዝጥቀመሉ ዘለኹ እዩ ዝመስሎም።" ቋንቋታት እውን ኣብ ሰዋስዎም ግዜ ይሕብሩ እዮም። ንኣብነት ብእንግሊዝኛ፡ መጻኢ ምስ ሕሉፍን ህሉውን ካብ ሰለስተ ቀለልቲ ግዜታት ሓደ እዩ፤ "ዘኒቡ"፡ "ይዘንብ" ከምኡ'ውን "ክዘንብ እዩ" ንብል። ብቋንቋ ጀርመን ግን ‘Morgen regnet’ ክትብል ትኽእል ኢኻ፣ ክትርጐም እንከሎ፡ "ጽባሕ ይዘንብ" ማለት እዩ። መጻኢ ንምግላጽ፡ ሰዋስው ምህናጽ ኣየድልየካን። ንብዙሓት ካልኦት ቋንቋታት፡ እንተላይ ማንደሪን፣ "ዝመጽእ ወርሒ ንበዓል ይኸይድ።" ኢልካ ክዝረብ ይከኣል እዩ። ኣብ 2013፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ክኢላ ስነ-ቑጠባ ዝዀነ ኪት ቸን፡ "መጻኢ ዘይብሉ" ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰባት፡ ካብቶም ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ንላዕሊ፡ ናብ መጻኢ ዝቐረቡ ኰይኑ ይስምዖም ዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ተበጊሱ። ቋንቋታት ጀርመን፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ነዘርላንድስ፡ ስካንዲናቭያን ኣብ መንጐ ህሉውን መጻእን ዝዀነ ሰዋሱዋዊ ሓጹራት ዘይብሎም ክዀኑ ከለዉ፡ "መጻኢ ዘለዎም ቋንቋታት"፡ ከም እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ፡ ጣልያንኛ፡ ስጳኛን ግሪኽን፡ ንመጻኢ ካብ ህሉው ዝተፈልየ ነገር ገይሮም ንኽርእይዎ ይድረኹ። ብዙሓት ቋንቋታት ግን፡ እንተላይ እንግሊዝኛ፡ ንቦታዊ ኣንፈት ንምግላጽ ኣሻመወቲ ቃላት ይጥቀሙ - ንኣብነት "ኣብ ጐድኒ"፡ "ንጸጋም"፡ "ድሕሪ" ወይ "ልዕሊ"። ቦታ ንምሕባር ብዛዕባ’ቲ መወከሲ ዝኸውን ዘሎ ክንሕስብ የድሊ። ሓደ ሰብ ንኣብነት፡ ኣብ የማናይ ሸነኽ እታ ኮምፒተር መፍትሕ ኣሎካ፡ እንተ ኢሉካ፡ እታ መፍትሕ ኣበይ እያ ዘላ? ኣብ የማናይ ሸነኽ ኮምፒተር ድያ ወይስ ብናትካ ኣዒንቲ ክትጥምታ እንከለኻ እዩ እቲ የማን? ኣብ የማናይ ሸነኽ ኮምፒተር ድያ ወይስ ብናትካ ኣዒንቲ ክትጥምታ እንከለኻ እዩ እቲ የማን? እቲ ቀዳማይ "ውሽጣዊ" መወከሲ [ክልተ መወከሲ ነጥብታት ዘለዎ፡ ኮምፒተርን መፍትሕን] እቲ ካልኣይ ድማ "ተዛማዲ" መወከሲ [ሰለስተ መወከሲ ነጥብታት ማለት፡ ኮምፒተር፡ መፍትሕን ተዓዛብን] ይበሃል። እዚ ድማ ከመይ ጌርና ከም እንሓስብን ክድህስስን ክቐርጽ ይኽእል እዩ። ብዝዀነ መንገዲ ምስ ብኻልእ ቋንቋ ዝዛረበካ ሰብ ኣብ እትራኸበሉ እዋን፡ ቦታ ክትመርጽ እንተዄንካ ኣብ ኣእምሮኻ ክትሕዞ ዘለካ ነገር እዩ። ተዛረብቲ ገለ ቋንቋታት እውን ካብቲ መቓን ናይቲ ዛዕባ ንላዕሊ ኣብ ተግባራት ወይ ምንቅስቓሳት እዮም ዘተኵሩ። ምንቅስቓስ ዘለዎ ቪድዮታት ዝዕዘቡ ተዛረብቲ እንግሊዝ፡ ስጳኛ፡ ዓረብን ሩስያን ንኣብነት ነቲ ዘጋጠመ ወይ ዝርእይዎ ነገር ብመንጽር ተግባራቱ ጥራይ ይገልጽዎ። ንበል "እቲ ሰብ ይኸይድ ኣሎ" ክብሉ እንከለዉ፣ ብኣንጻሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ጀርመን፡ ኣፍሪቃን ሽወደንን፡ ነቲ ናይ መወዳእታ ኵለንተናዊ ስእሊ ዝህብ ትሕዝቶ ኣተኲሮም እዮም ዝዛረቡ፤ "እቲ ሰብ ናብታ መኪና ገጹ ይኸይድ ኣሎ፡" ይብሉ። እዚ መጽናዕቲ እናዓበየን እናዓሞቐን፡ ቋንቋ ብዛዕባ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዓለም ብኸመይ ንርድኦን ብእኡ ንመላለስን ማዕረ ክንደይ ጽልዋ ከም ዝገብር እናተነጸረ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ማለት ግን ዝዀነ ቋንቋ ካብ ካልእ ቋንቋ "ይበለጽ" ማለት ኣይኰነን። ቋንቋታት ብኸመይ ከም ዝፈላለዩ ምፍላጥ ግን ብዝበለጸ ክትሓስብ፡ ክትድህስስን ክትረዳዳእን ክሕግዘካ ይኽእል። ብዙሐ-ልሳን ምዃን ግድን በሊሕ ዝገብረካ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ኵላትና ሓድሽ ቋንቋ ብምምሃር ሓድሽ ኣረኣእያን ዝያዳ ተዓጻጻፊ ርድኢት ዓለምን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኤርትራ፡ ‘ሓባራዊ ጽንብል ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?’ ኤርትራ፡ ትማሊ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታታ ጸንቢላ። እዛ ዕለት፡ በቲ ድሕሪ ናጻነት ግዝያዊ መንግስቲ ዝመስረተ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ህዝባዊ ግንባር እያ ተመሪጻ። ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ኣብ 1982 ብወፍሪ ‘ቀይሕ ኮኾብ’ ዝፍለጥ ዝዓበየን ሓደገኛን ወራር ንምምካት ዝለዓለ መስዋእቲ ስለ ዝተኸፍለ እታ ዕለት ንዕኡ ንምዝካር ከምዝተሓርየት’ዩ ዝንገር። በቲ መንፈስ ከኣ ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ድሮ እታ ዕለት ሽምዓ ወሊዖም ናይ እግሪ ጕዕዞ ወዲቦም ንሰማእታቶም ይዝክሩ። ኣብታ ቀንዲ ዕለት ከኣ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኵለን ከተማታት ኤርትራን ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታትን ብድምቀት የኽብርዋ። ሕብረተሰባት ኮነ ሃገራት ጥንቲ ይዅን ሕጂ ንሰማእታቶም ብዝኸፈሉዎ ክቡር ህይወት ሽምዓ ኣብሪሆም ይዝክርዎ እዮም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣገዳስነት ሓባራዊ ዝኽሪን [Collective Memories]፡ ኣገዳስነት ጽንብላትን ኣብ ሕብረተሰብን ብዝምልከት፡ ቢቢሲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ግላስገው ስኮትላንድ ምስ ዝምህር ዶክተር ህያብ ዮሃንስ ቃለመጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ። ዶ/ር ህያብ ብዛዕባ እኩብ/ሓባራዊ ዝኽሪ ሓደ ሕብረተሰብ ከረድእ እንከሎ፡ “እዚ ንሕሉፍ ነገራት ብኸመይ ከም እትዝክሮ ዘመልክት እዩ፣ ካብ ውልቀሰባዊ ዝኽሪ ዝዓቢ ኰይኑ ብጕጅለ ወይ'ውን ብደረጃ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ዝዝከር ነገራት ዘመላኽት እዩ፡” ይብል። ሃገራዊ ምልክታትን ጽንብላትን ኣብ ምቛምን ምድልዳልን ሃገራዊ መንነት መሰረት ከምዝዀኑን ኣብ ሓደ ሃገር ዝርከቡ ኵሎም ዜጋታት ብተጻዋርነትን ስኒትን ንኽነብሩ ኣገደስቲ ምዃኖምን ይጠቅስ። ኣብ ታሪኽ፡ ሕብረተሰባት ብሓባር ዝሓለፍዎን ኣገዳሲ ምዕራፍ ታሪኾምን ንመጻኢኦም ዝገድሶምን ፍጻመታት፡ መዓልቲ ፈልዮም ብሓባር ክጽንብልዎ ኸኣ ይረኣዩ። እተን ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኪዳን መስሪተን ኣንጻር ሂትለርን መሻርኽቱን ዝተዋግኣ ሓይልታት ንኣብነት፡ ወትሩ ሕዳር 11 ንሰማእታተን ብተምሳል ቀይሕ ዕምበባ ይዝክራኦም። ኣብ ነብሲ ወከፍ ጥሪ 27 ከኣ፡ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ብግፍዒ ንዝተቐትሉን ዝጠፍኡን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዝሃለቑን ግዳያት ሆሎኮስት ይዝክራ። መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ “ሓባራዊ ዝኽሪ” ሰለስተ ዓበይቲ ነገራት ከም ዘጠቓልል ዶ/ር ህያብ ይሕብር። “እዚ፡ ታሪኻዊ ባህላዊ ሕብረተሰብኣዊ ፍልጠት ናይቲ ጕጅለ እዩ፣ ካልኣይ ሓባራዊ ባህሪ/ባህሊ ናይቲ ሕብረተሰብ ክኸውን እንከሎ፡ ብሳልሳይ ደረጃ ዝርአ፡ እቲ ኣብ መንጐ ውልቀሰብን ሕብረተሰብን ዘሎ ፍልጠት ከመይ ይሰርሕ ኣሎ፣ እቲ መስርሕ ካብ ናብ ምስግጋር ፍልጠት ንርእየሉ መገዲ እዩ፡” ይብል። እዚ ማለት፡ ውልቀሰብ ንሕብረተሰብ ክጸልዎ ይኽእል፣ ሕብረተሰብ ከኣ ነቲ ውልቀሰብ ክጸልዎ ይኽእል ማለት እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሕብረተሰብ ዘዘውትሮ ጽንብላት ኣብዚ መቓን’ዚ ኣእቲኻ ክርአ ከም ዝኽእል፡ ዶር ህያብ የመልክት። ኣብዚ ዛዕባ እንከረድእ ዶ/ር ህያብ፡ “ጽንብላት ንዝዀነ ሕብረተሰብ ኣገደስቲ እዮም፡” ይብል’ሞ፡ ንገለ ኣገደስቲ ዝብሎም ነጥብታት እንክጠቅስ፡ መንነት ናይቲ ሕብረተሰብ ምውሓስ፣ ፍልቀት ወይ ከኣ ‘ኢቮሉሽን’ ናይቲ ሕብረተሰብ ንምቕላስ፣ ከምኡ’ውን ስምዒታቱን ወኒታታቱን ንምቕላስ ብሓባር ዝግበሩ ጽንብላት ኣገደስቲ ምዃኖም ይዛረብ። “ነባሪ ሓባራዊ ኣነባብራ ንምፍጣር፣ ወይ’ውን ንዝጸንሐ ምዕቃብን’ውን ሓባራዊ ጽንብላት ኣገደስቲ እዮም።” ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ህይወት ናይቲ ሕብረተሰብ ትርጕም ንኽህልዎ’ውን ጽንብላት ኣገደስቲ ምዃኖም ዶ/ር ህያብ ወሲኹ የረድእ። ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ “ሕብረተሰባት ንዝዀነ ምስ እምነቶም፡ ሃይማኖቶም፡ ባህሎም፡ ታሪኾምን መንነቶምን ኣተኣሳሲሮም ዝገብርዎም ጽንብላት፡ ኣባላት ሓደ ሕብረተሰብ ብሓንሳብ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚን ኣብ ሓደ ቦታን መጺኦም ብሓንሳብ ከስተምቕርዎ ስለዝገብሩ፡ ናይ ሓድነት መንፈስን ስምዒትን’ውን የዕሙቕ እዮም” ክብል ከኣ የረድእ። ምስዚ ተዛሚዱ፡ ምስ ዓለማዊ ግሎባላውነት ዘለዎ ጽልዋ፡ “ስምዒት ዋንነት ምእንቲ ክህሉ፣ ኣብቲ ሰፊሕ ዓለማዊ መድረኽ ቦታኻን ኣበይ ከም ዘለኻ ክትፈልጥ፡” ጽንብላት ኣገደስቲ ምዃኖም ይረድእ። “ኣብዚ ዘመናዊ ሕብረተሰብ እቲ ፍልቀት ወይ ከኣ ኢቮሉሽን እንብሎ ቅልጣፈ ወሲኹ እዩ፣ እምበር ጸኒሑ እዩ፡” ብምባል፡ እቲ ኣብ ውሱን ከባቢ ዝነበረ ሕጂ ኣብ መንጐ ባህልታት፡ እምነታት፡ ቋንቋታት ብዘሎ ገፊሕን ቅልጡፍን ምጽልላው፡ እቲ ፍልቀት ዝያዳ እናነሃረ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። “ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ መንጐ ሓደ ከባብን ዓለምን ዘሎ ርሕቀት ይጸብብ ኣሎ ማለት እዩ።" ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስ ሃገርን ሃገራውነት ዝተኣሳሰሩ “ሃገራውያን ጽንብላት” ብወግዒ ተኣታትዮም። ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር መጠን ከኣ፡ ሃገራዊ ምልክታት፡ ባንዴራ፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ኣርማን ብወግዒ ኣፍሊጣ ናብ ማሕበረሰብ ዓለም ተጸንቢራ። “ቅድሚ ናጽነት’ውን ነይሩ እዩ - ኣይነበረን ማለት ኣይኰነን፣ እቲ ሕብረተሰብ ምስ ባህሉን እምነቱን ተኣሳሲሩ ዘካይዶ ጽንብላት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ፖለቲካዊ ጽንብላት’ውን ነይሮምዎ እዮም፡” ይብል ዶ/ር ህያብ። ነዚ እንከረድእ፡ “ንባዕሉ እዚ እዩ እቲ ናተይ መንነት፡ ኢልካ መንነትካ ክትገልጽን ከተነጽርን ምኽኣል ካብ ቀደም ጸኒሑ እዩ፣ እቲ ነጥቢ ከመይ ኣቢልካ ትገልጾን ተንጸባርቘን ወይ 'ኣርቲኩለይት' ትገብሮ ጥራይ’ዩ ዝፈላልዮ፡” ድሕሪ ምባል፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ሰውራ ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ መስርሕ ጽንብላት ብዙሕ ከምዝቐየሮን መልክዕ ከምዘትሓዞን ይትንትን። “ሰውራ ነቲ ብዛዕባ ሃገር፡ መንነት፡ ናጽነት፡ መስዋእቲ፡ እቲ ‘ኮንተክስት’ እናቐየሮን መልክዕ እናፈጠረሉን መጺኡ፤" ድሕሪ ምባል፡ "ኣየኖት ክብሪታት እዮም ኣጕሊሕና ንርእዮም ከኣ ምስ ግዜ ኵሉ ግዜ ክፈላለ ይኽእል እዩ፡” ኢሉ ይገልጽ። ካብተን ዓበይቲ ሃገራውያና ጽንብላት ኤርትራ እታ ዓመታዊ ኣብ 20 ሰነ/ ብድሮኡ ምሸት'ውን ሽምዓ ብምውላዕ እትጽንበል መዓልቲ ስውኣት እያ። ሓደ ሕብረተሰብ፡ ከምዚ ዝበለ ምስ ምምጻእ ሃገር፡ ህላወ፡ መንነትን፡ ናጽነትን ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ታሪኹ ግሉሕ ተራ ዘለዎ ጽንብል ኣጥቢቝ ከም ዝሕዞ፡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ድማ ከምኡ ምዃኑ፡ ዶ/ር ህያብ ይገልጽ። ብዛዕባ’ዚ እንክትንትን ከኣ፡ “እቲ ቐዳማይ ነገር፡ እቲ ንዅሉ ዝሓቍፍ ኤርትራዊ ሃገራውነት እዩ፤ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ይሕቈፍ፣ ንዕኡ ዝቐሙ ወይ ዝፈጠሩ ዓንድታት ክህልው ግድን እዩ። ሓደ ካብኡ ኸኣ መስዋእቲ ኰይኑ፡ ምስኡ ተኣሳሲሩ ንሰማእታት ሃገር ንምዝካር ዝግበር ጽንብል እዩ፡” ይብል። እዚ ይዅን ካልኦት ዝካየዱ ጽንብላት ድማ ነቲ ሃገራዊ መንነት ንምድልዳል ኣገዳሲ ተራ ከም ዘለዎም’ውን ይገልጽ። “ካብዞም ጽንብላት ወጻኢ’ውን፡ ሓደ ሃገር ነቲ ሃገራዊ መንነት ዝብሎ ንምዅስኳስ ዘድልዩ ነገራት’ውን ኣለው፡” ብምባል፡ ትምህርቲ ዜግነት፡ መጽሓፍቲ ታሪኽ፡ ደርፍታት፡ ፊልምታት ካልእን እቲ ህዝቢ ብሓባር ንዝመጽኦ ዝነግርን ንዝኸዶ ዘማእዝን ነገራት ከነጽሩ ከም ዝኽእሉን ንኣገዳስነቶምን የብርህ። “ካልኦት ንኣሽቱ ዝመስሉ ነገራት ከም ባንዴራ፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ኣስማት ጐደናታትን ትካላትን ካልኦትን ኣለው፣ ብዛዕባ ሓባራዊ ሃገራዊ ባህሊ ክነግሩን ከዕሙቝ ዝኽእሉ ኸኣ እናተፈጠሩ ይኸዱ፡” ይውስኽ። “ሃገር፡ ወለንታዊ ዝዀነ ማሕበራዊ ውዕል [Social contract] እዩ፣ እቲ ሕብረተሰብ ብሓባር ንኽነብር፡ ብወለንታኡ ዝኣተዎ ሃገር ንምዃን ውዕል ኣለዎ፡” ይብል’ሞ፡ እቲ ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ነዊሕ መስርሑ ዘማዕበሎ ናቱ ወግዒ [Norms] ሒዙ እዩ ዝመጽእ፡ ብምባል የረድእ። “እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝጸንሐ ወግዒ ድማ እዩ ነቶም ዓበይቲ ዝኽርታት/ጽንብላት ጠሚሩ ወይ ተቐቢሉ ዝሕዞም። ስለዚ ሃገራት ኣብቲ መዋቕራት ወግዒ ናይቲ ሕብረሰብ ወይ ከኣ ‘ኖርማቲቭ ስትራክቸር’ እየን ኣበርቲዐን ዝሰርሓ።” እዚ ማለት፡ ነቶም ዓበይቲ ዓንድታት ናይቲ ሕብረተሰብ ወይ ሃገራውነት ከም ዝዕቀቡን ቀጻልነት ከም ዝህልዎምን ይገብራ፣ ኣብዚ ኸኣ እቲ ሕብረተሰብ “ብግዴታ ዘይኰነስ ብወለንታኡ ኣሚኑን ተቐቢሉን ክሳተፍ ይርአ፡” ይብል። “ሃገር ከኣ ነቲ ዜግነታዊ ግቡኣት [Civic duties] እንብሎም ነገራት ኣብቲ ሕብረተሰብ ከም ዝሰርጽ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ።” ይብል። ኣብ ሃገራዊ ጽንብላትን ምልክታት ኤርትራ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክቐርብ ይስማዕ እዩ። ገለ ካብኡ፡ ምስ መዓልቲ ስውኣት ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ከም ኣብነት ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ወልደየሱስ ዓማር ኣብ ጽሑፉ/መጽሓፉ ዘቕረቦ ምጕት ምጥቃስ ይከኣል። ወልደየሱስ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ ኣብቲ ብህዝባዊ ግንባር ዝተነግረ ብዝሒ ስውኣት፡ ንባዕሉ ስውእ መን’ዩ ዝብል መግለጺ፡ እቲ ዝተወሰነ መዓልቲ’ውን ንናይቲ ውድብ ታሪኽ ጥራይ ዝውክል ምዃኑን ካልእን ኣልዒሉ ርእይቶኡ ብምቕራብ ይምጕት። ካልኦት’ውን ኣብ ምጽንባል መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ ጸገም ከምዘየለ፡ እንተዀነ እቲ ዝንገር ታሪኽ፡ ናይ ሓደ ወገን ታሪኽ ጥራይ ዘጕልሕ ምዃኑ ቅሬታኦም ክገልጹ ይስምዑ እዮም። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ኣብ ዝዀነ ሃገር ዝርአ ልሙድ ነገራት ምዃኑ፡ ናይ ኤርትራ ድማ ካብኡ ከም ዘይፍለ ዶ/ር ህያብ ኣብ መግለጺኡ ይእምት። “እቶም ትካላት/ውድባት ወይ መንግስታት ነየናይ [ተግባርን ፍጻመታትን] የዕብዩ ወይ ክብሪታት የጕልሑ ናታቶም ምርጫታት ክህልዎም ግድን እዩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ይዅኑ ማሕበራዊ ጕጀለታት፡ ኣብ ባህሊ፡ ኣብ ታሪኽ ዝዀነ ኣገዳሲ እዩ ንዝበለዎ ወይ ዝኣምኑሉ፣ ምስ ፍልስፍናኦምን ስነሓሳቦምን ዝሳነ ነግራት ከጕልሑሉ ይኽእሉ እዮም።” እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣይኖት ክብሪታት ዝያዳ ሓቘፍትን ንዅልኻ ጠሚሮም ይሕዙኻን፣ ብኸመይ ትጥምቶም ኣለኻን ወሳኒ ምዃኑ የረድእ። “በዚ ኸኣ ንነናትካ ፖለቲካዊ ይዅን ማሕበራዊ ረብሓታት ክትብል ረጽሚ ክህሉ ንቡር እዩ።” ክብል የረድእ። ኮብሃምስ ኣሱኮ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ድምጺ ዝጸልእ ፍሉጥ ናይጀርያዊ ደራፋይ ኮብሃምስ ኣሱኮ ካብቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ናይጄርያ ዝርከቡ ፍሉጣት ደረፍትን ኣፍረይትን ሓደ እዩ፤ ኮይኑ ግና ድምጹ ንባዕሉ ባህ ስለዘይብሎ ናብ መድረኽ ከይወጸ እዩ ስርሑ ጀሚሩ። ናይ ባዕሉ ድምጺ ከምዘጽለኦ እንትዛረብ ከም ቀሊል ኣይኮነን፤ ብዛዕባ ናይ ካልእ ሰብ ድምጺ ዝዛረብ ዘሎ ክሳብ ዝመስል ኣጽላእሊኡ እዩ ዝገልጾ። ኣሱኮ፡ ነዚ እዩ ድማ ካብቶም ኣብዚ እዋን ዝፈትውኒ ኣድነቕተይ ተሓቢአ ን 13 ዓመታት ናይ ካልኦት ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ስራሕቲ ኣብ ምፍራይ (ፕሮዳክሽን) ዝጸናሕኩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እቲ ወዲ 41 ዓመት ድምጻዊ ምስ ከም ኣሳ ዝበሉ ፍሉጣት ከዋኽብቲ ኣፍሮ ሙዚቃ ሰሪሑ እዩ፤ ናይ ባዕሉ ስራሕቲ ድማ ሕዋስ ሶል፣ ጎስፔል፣ ኣርኤንድቢ ከምኡ እውን ኣፍሮቢትስ ቅድታት ሙዚቃ ዝሓዙ እዮም። ብዛዕባ ንሙዚቃ ዘለዎ ፍቕሪ እንትዛረብ ሓሳባትኡ ንጹር ኣንደበቱ ድማ ርቱዕ እዩ። ብዛዕባ ድምጹ ዝምልከት ዕላል እንተተላዒሉ ግና ወታእታእ ክሳብ ዝብል ሓሳቡ ምግላጽ ይስእን። ንናይ ባዕሉ ድምጺ "ዘጽልእ" ክሳብ ብምባል ይገልጾ። ድምጹ ምስኡ ዘይከይድ ነገር ከምዘለዎ እዩ ዝዛረብ። "ኩሉሻብ ከምኡ ምስበለ እዩ" ዝብል መሓዝኡ ሙዪዋ ኦይንሎላ፡ ኣሱኮ ናይ ካልኦት ሰባት ድምጺ ናይ ምምሳል ጽቡቕ ክእለት ከምዘለዎ ይዛረብ። ኦይንሎላ ንድሕሪት ተመሊሱ እንትዝክር፡ ኣብቲ ዝተምሃሩሉ ኣብ ሌጎስ ዝርከብ ፍሉጥ ኮሌጅ ኪንግስ፡ እቲ ዓይነ ስውር ኣሱኮ፡ ኣብ ክፍሊ እትሕግዞ መቕረጺት ድምጺ ሒዙ ይመጽእ ነይሩ ይብል። እንተኾነ ዕላማኣ ኩልሻብ ንትምህርቲ ኣይነበረን። ናይቶም መምህራን ድምጺ እናቐደሐ፡ ናቶም ድምጺ ኣምሲሉ ንምጭራቕ ይጥቀመሉ ምንባሩ ይገልጽ። ኣብ ኢንዱስትሪ ሙዚቃ ካብ ዝኣቱ 20 ዓመት ረጊጹ ዘሎ ኣሱኮ፡ ኣብዚ ዓመት መወዳእታ ከውጸኦ ኣብ ዘዳልዎ ዘሎ ኣልበም ንፈተውቱ ጽቡቕ ነገር ከቕርበሎም ይጽዕር ኣሎ። ዛጊት ዝሰረሖም ሙዚቃታት ዲምዲም ዝበዘሖም ዘይኮነስ 'ንነብሲ ዝኾኑ' ዝበሃሉ ዓይነት እዮም። ኣብቲ ከም ላዲፖን ቤላ ሸሙርዳን ከምዝሳተፍሉ ዝተገለጸ ኣልበም ብዙሕ ትርኢታት ዘለዎን ሳዕስዒት ዝበዘሖን ከምዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ። ካልኦት ሰባት ክሰርሕዎ ዘይከኣሉ ብድምጹ ኣቢሉ ክሰርሖ ከምዝኽእል ምስተረደአ ናብ ምድራፍ ከምዝኣተወ ዝገልጽ እዚ ናይጀርያዊ ኮኸብ፡ ናብ መድረኽ ምውጻእ ግን ቀሊል ኮምዘይኮኖ እዩ ዝዛረብ። "ኩሉሻብ ናብ ምድረኽ ናይ መውጻእ ፍርሒ ኣለኒ። ከይፈራሕኩ ናብ መድረኽ ወጺአ ኣይፈልጥን፤ ፍጹም!" ይብል። ገለ እዋን እውን ድሕሪ ሕዚ ፈጺመ ናብ መድረኽ ኣይወጽእን ኢሉ ንባዕሉ ከምዝምሕል እናተዋዘየ ይዛረብ። ንባዕሉ ከም መንፈሳዊ ዝቖጽር ኣሱኮ፡ ምስ ፈጣሪኡ ዝገበሮ ዝርርብ ህይወቱ ንሙዚቃ ክውፊ ከምዝሓገዞ ይገልጽ። ኣብ መንገዲ ህይወቱ ዘጋጠሞ መድልዎታት ዋላኳ ኣብዚ እዋን ህቡብ እንተኾነ፡ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ናይጄርያ ግን ናኣሱኮ ብቐሊሉ ዝተቐበሎ ኣይነበረን። እቲ ካብ ዝውለድ ዓይነ ስውር ዝኾነ ደራፋይ ኣብቲ ሞያ ብዙሕ ኣድልዎ በጺሕዎ እዩ። ሓደ ፍሉጥ ናይጄርያዊ ስነ ጥበበኛ ኣሱኮ ሙዚቅኡ ከፍርየሉ ፍቓደኛ ከምዘይነበረ ይዝክር። እቲ ስነጥበበኛ ባንድ ሒዙ መጺኡ ክሰርሐሉ ተቛጺሩ ከምዝጠለሞ ይገልጽ። "ኣብቲ ስቱዲዮ ነይረ፤ ንሸሞንተ ሰዓታት ተጸብየዮ" ይብል። ጸኒሑ እቲ ሙዚቃኛ ስርሑ ብሓደ ዓይነ ስዉር ክፈርየሉ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ተረዲኡ። ንሱ ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ኣይተደለኹን ስምዒታት ክቆጻጸርዎ ኣይደልን። " ተሪፍዎ" ኢለ ሓሊፈዮ ይብል። ዘጋጠምዎ ፈተናታት እዚኦም ጥራሕ ኣይነበሩን፤ ኣብ ሓደ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ከምዝሰረዝዎ ይገልጽ። "ኣብ ምዕባይ ካብ እትርከብ ሃገር ዝመጸ ዓይነ ስውር ተምሃራይ" ነቲ ትምህርተ ኣይዋጸኦን ኢሎም ሓሲቦም ይብል ኣሱኮ። እቲ ደራፋይ ነቶም ዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ከይተሰኮነ ከምዝቐጸለ እዩ መሓዝኡ ኦይንሎላ ዝዛረብ። ኣሱኮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽትኡ ኣብ ዕብየቱ ከምዝሓገዞ ይኣምን። " በቲ ቤተሰበይ ዘርኣዩኒ ዓይነት ፍቕሪ እየ እዚ ሐዚ ዘለኽዎ ክኸውን ክኢለ።" ክሳብ 10 ዓመቱ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምዘይረኸበ ብምዝካር እንተኾነ ቤተሰቡ ነቲ ዑረቱ ከም ሓደ መንነት ገይሩ ክወስዶ ከምዝሓገዝዎ ይገልጽ። ኣሱኮ ብንእሽተይ ናይ ቆልኡ መጻወቲት እዩ ፒያኖ ምጽዋት ተማሂሩ። ጽቡቓት ተዘክሮታት ቁልዕነቱ ድሕሪ 15 ዓመታት ፈለማይ ናይጄርያዊ ኣምባሳደር ዩኒሴፍ ኮይኑ ክሰርሕ ሓጊዝዎ እዩ። ኣብ ሃገሩ ዝረኣዩ ጸገማት መሰል ጉድኣት ዘለዎም ህጻናት፡ ምልክታት ዘይቅኑዕ መሪሕነት ከምዝኾኑ ዝገልጽ እዚ ዓይነ ስውር ደራፋይ፡ ኣብ ናይጄርያ "ቅኑዕን ሓላፍነት ዝስመዖን" መሪሕነት ሞይቱ እዩ ክብል ይነቅፍ። ድሕረ ባይትኡ ንጾር ህጻናት ናይጄርያ መፍትሒ ንምእላሽ ከምዝሕግዞ ብምግላጽ ድማ ሙዚቃ ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ፍቱን መድሃኒት ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ። ንሩስያ ዘቖጠዐ ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዩክረይን ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ዩክረይን ንግጥማት ዩሮ-2020 ኣብ ዘዳለወቶ ማልያ ንግዝኣት ክረምያ ዝሓውስ ካርታ ሒዛ ብምምጽኣ ሩስያ ቁጠዐኣ ትገልጽ ኣላ። ዩክረይን ኣብቲ ውድድር ንእትሳተፍ ሃገራዊት ጋንትኣ ዘዳለወቶ ማልያ ነታ ኣካታዒት ዝኾነት ግዝኣት ክረምያ ዘጠቓለለ ካርታ ካብ ምሓዙ ብተወሳኺ “ዓወት ንዩክረይን” ዝብል መልእኽቲ’ውን ተጻሒፍዎ’ሎ። ሩስያ ብ2014 ንከባብታት ክረሚያ ካብ ዩክረይን ከምዝወሰደት ዝዝከር ኮይኑ ካብቲ እዋን ጀሚራ ድማ ከም ኣካል ግዝኣታ ትቖጽራ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ግን ነዚ ኣፍልጦ ኣይሃባን። ንማልያ ሃገራዊት ጋንታ ዩክረይን ኣመልኪቱ መልኽቲ ዘሕለፈ ሓደ ኣባል ባይቶ ሩስያ “ፖለቲካዊ ትንኮያ” ክብል ነቲ ተግባር ገሊጽዎ። ሓላፊ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዩክረይን ኣንድሬ ፓቬልኮ’ዩ ትማሊ ሰንበት ንፈለማ እዋን ነቲ ሓድሽ ማልያ ብፌስቡኩ ዘላለዮ። ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ [ዩሮ 2020] ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ክጅምር’ዩ። ኣብቲ ብጫ ሕብሪ ዘለዎ ማልያ፡ ወሰን እታ ሃገር ብጻዕዳ ሕብሪ ክግለጽ ከሎ ንግዝኣት ክረሚያ’ውን ኣካቲቱ’ሎ። ብዘይካ’ዚ እተን ኣብ ትሕቲ ተነጸልቲ ሓይልታት ዝርከባ ዶኔስክን ሉጋንስክን እውን አብቲ ማልያ ተወሲኸን ኣለዋ። “ዓወት ንዩክረይን” ዝብል ጽሑፍ ድማ ኣብ ናይ ድሕሪት ገጽ’ቲ ማልያ ዝተገበረ ኮይኑ፤ እዚ ጭርሖ ከኣ እቶም ኣብ 2014 ንፕረዚደንት ቪክቶር ያኑኮቪች ካብ ስልጣን ክወርድ ዝገበሩ ሰልፈኛታት ይጥቀሙሉ ምንባሮም ይዝከር። ሓላፊ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ኣንድሬይ፡ “እዚ ተጻወትትና ጥንካረ ንኽህልዎምን ንመላእ ዩክሬን ክጻወቱ ዝገብርን ከምዝኸውን እምነት ኣለኒ” ኢሉ። ወሃቢ ቓል ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ማሪያ ዛካሮቫ ግን ነቲ ማልያ ከምዝነቐፈት’ዩ ዝግለጽ፤ “እታ ሃገራዊት ጋንታ ነታ ግዝኣት ሩስያ ዝኾነት ክረሚያ ሒዙ ምውጽኡ ንዘይኸውን ነገር ከም ምሕላም’ዩ” ኢላቶ። “ፍጹም ልክዕ ዘይኮነ” ክብል ነቲ ተግባር ዝኾነነ ኣባል ባይቶ ሩስያ ዲሜትሪ ስቪሽኮቭ ብወገኑ፤ ኣዳለወቲ ዩሮ-2020ን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳን ስጉምቲ ክወስዱ ሓቲቱ። ግጥም ኲዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣብ 2020 ክካየድ እኳ እንተነበሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምንውሑ ይዝከር። ድሒሩ ድሕሪ ዝወጽአ መደብ ግን ካብ 11 ሰነ ክሳብ 11 ሓምለ ኣብ 11 ከተማታት ክካየድ'ዩ፡ ሩሲያዊት ከተማ ሰይንት ፒተርስበርግ ድማ ሓንቲ ካብተን ግጥማት ዝካየደለን ከተማታት’ያ። ኣሜሪካ፡ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣሽሓት ሰባት ግዳያት ገይሩ ኣብ ሰሜናዊ ካሊፎርንያ 6.4 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስድራቤታት ድማ ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተሪፎም። ኣብቲ ካብ ሳንፍራንሲስኮ ንሰሜን 350 ኪ.ሜ ርሒቝ ዝርከብ ከባቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣብ ዓበይቲ ጽርግያታት ሰፊሕ ጉድኣት ኣውሪዱ። "ኣብ መናድቕ ዝነበረ ዝዀነ ነገር ተሰባቢሩ እዩ" ይብል ሓደ ነባሪ ከተማ ገማግም ባሕሪ ዩሬካ። ሰብመዚ ሓያሎ ጽርግያታት ብምዕጻው፡ ህዝቢ ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ዝፍጠር ነገራት ንኽዳሎ ኣጠንቂቘም። እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ትማሊ ሰሉስ ሰዓት 02፡34 PST (10፡34 GMT) እዩ ኣዘጋጠመ ክከውን እንከሎ፡ ክሳብ 80 ዝበጽሑ፤ 4.6 - 2.5 ዝዓቐኖም ንኣሽቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘፍረየ ትካል ስነመሬታዊ ዳህሳስ ኣሜሪካ ይሕብር። ብዘይካ'ቶም ዝሞቱ ክልተ፡ 11 ሰባት ከምዝቘሰሉ ፖሊስ ገሊጹ። እቲ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መስመራት ጋዝ ብምብታኽ ምፍሳስ ጋዛት ኣስዒቡ፤ ሓደ ህንጻ ብሓዊ ተቓጺሉ ብቕልጡፍ ክጠፍእ እንከሎ፡ ካልኦት ክልተ ህንጻታት ድማ ፈሪሶም። ክሳብ ሰሉስ ምሸት ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር፡ ንልዕሊ 32 ሽሕ ብዘይ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዝተረፉ ተፈሊጡ’ሎ። ቤት ጽሕፈት ሸሪፍ ከም ዝሓበሮ፡ ድሕሪ እቲ ካብ ባሕሪ ኣስታት ክልተ ማይልስ ርሒቝ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዀነ ሱናሚ ክስዕብ ትጽቢት ኣይግበርን። ሰብመዚ ገና ብዛዕባ’ቲ ዝወረደ ጉድኣት ዳህሳስ የካይዱ ኣለዉ። ሰራሕተኛታት ትካል ኣገልግሎታት፡ ኣብቲ ርሑቕን ብብዝሒ ኣግራብ ዝበዝሖን ከባቢ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምምላስ መዓልታት ክወስድ ከም ዝኽእል ኣፍሊጦም። ቀንዲ ጽርግያ ካሊፎርንያ፡ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ድሕሪ ምስንጣቝ ከም ዝተዓጽወ፡ ኣብ ኣሜሪካ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሓቢሩ። ኣብ ከተማ ፎርቱና ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጠፊኡ፡ ስብርባር ቬትሮታት ኣብ ጽርግያ ዛሕ ኢሉ ይርአ። ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ሻምብቆታት ማይ ትሕቲ ምድሪ ክብከሉ ስለዝኽእሉ፡ ማይ ኣፍሊሖም ክሰትዩ ብሰበስልጣንተነጊርዎም ኣሎ። ብቐዳም ኣብ ዞባ ሳንፍራንሲስኮ ዘጋጠመ 3.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ኣባህሪሩን፡ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ መጠናዊ ጉድኣት ኣስዒቡን እዩ። ዋንጫ ዓለም 2022፡ ነዊሕ ዛንታ ክርፍስ ፊፋ ኣብ ጉዳይ ቢራ ደጋፊ ኢኳዶር ጆሴ፡ ድሕሪ ጸወታ ጋንትኡ ናብ ገዝኡ ክምለስ እንከሎ ብዛዕባ እገዳ ቢራ ስታድዩም ዋንጫ ዓለም ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ "ብጣዕሚ'ዩ ዘሕርቕ" ኢሉ። ንሱ፡ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ትሳተፍ ንዘላ ሃገራዊት ጋንትኡ ንምድጋፍ፡ ናብ ስታዲየም ክመጽእ እንከሎ ቢራ ሒዙ ክኣቱ ኣይተፈቕደሉን። “እዛ ዜሮ ኣልኮል [ኣልኮል ዘይብሉ ቢራ] ሒዘ እየ ኣትየ፤ እንተውሓድ ናይ ቢራ ጣዕሚ ረኺበ” ይብል። ኤሚልዮ ብወገኑ፡ “ቢራ ንደሊ ኢና ኢሎም ዝጭርሑ ሰባት ነይሮም” ኢሉ። ኣብ ስታዲዩማት ቀጠር፡ ቢራ ከይሽየጥ ዝብል ውሳነ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ፊፋ ኣብ ጉዳይ ኣልኮላዊ መስተ ካብ ነዊሕ ክከታተሎ ዝጸንሐ ግድላት እዩ። ኣብ ዙርያ ምወላ ዋንጫ ዓለም ዝለዓሉ ምስሕሓባት፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ቅድሚ ሕጂ ፊፋ ብባዕዳዊ መግዛእትን ኣብ ክንዲ ድሕነት ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ገንዘብ ብምቕዳምን ክኽሰስ የርእዩ። ፊፋ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኣልኮላዊ መስተ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሞ ጸገማት ኵሉ፡ ኣአንገድቲ ሃገራት ኣልኮላዊ መስተ ንኸቕርባ ንምእማን ኣብ ምፍታን’ኳ እንተገበረ፡ ኣብ ስታድየማት ግና መስተ ክኣቱ የብሉን ዝብል ጠለብ ነይሩዎ። ክሳብ 2004 ዓ.ም.ፈ ንዓበይቲ ፍጻመታት ዝምልከት ሕግታት ፊፋ፡ ኣዳለውቲ ኣብ ውሽጢ መጻወቲ ሜዳታት ኣልኮላዊ መስተ ከይሸጡ ከም ዝተኸልከሉን፡ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰተየ ሰብ ካብ ስታድዩማት ከም ዝእለን ይገልጽ ነይሩ። ኣመሓዳሪ ኣካል ኩዕሶ እግሪ ዓለም ነዚ ፖሊሲ ንምቕያር ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ከምኡ'ውን ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሽየጥ ኣበርቲዑ ምድፍኡ ግን ምስ ገለ ኣአንገድቲ ሃገራት ከም ዝጋጮ ገይርዎ እዩ። ዋንጫ ዓለም 2014 ንብራዚል ምሃብ፡ ቅኑዕ ነገር ይመስል ነይሩ። እዛ ብኩዕሶ እግሪ እትፍለጥ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገር፡ ነዚ ውድድር ሓሙሽተ ግዜ ክትዕወተሉ እንከላ፡ ቢራ ኣዝዩ ፍትው እዩ። ግን ልክዕ ከምተን ካልኦት ሃገራት፡ ሓሓሊፉ ስምዒት [ኒሕ] ደገፍቲ ብራዚል ናብ ጐንጺ ይቕየር እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ መንጎ ወዲኒታትን ደገፍቲ ተቐናቐንትን ዘጋጥም ባእሲ ንምምካት፡ ኣብ 2003 ኣብ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ብራዚል ኣልኮላዊ መስተ ተኣጊዱ። ንነዊሕ እዋን መሻርኽቲ ፊፋ ዝዀነ ቡድዋይዘር፡ ቁልፊ መዋሊ ናይቲ ውድድር ብምዃኑ ግን፡ ኣአንገድቲ እቲ ሕጊ ክቕይሩ ከም ዘለዎም ብግልጺ ተነጊርዎም። "ኣልኮላዊ መስተታት ኣካል ዋንጫ ዓለም ፊፋ'ዮም፤ ስለዚ ክህልው’ዮም። ቁሩብ ትዕቢተኛ እንተድኣ መሲለ ይቕሬታ ​​ግበሩለይ ግን ዘይንደራደረሉ ነገር'ዩ" ክብል ኣብቲ እዋን ዋና ጸሓፊ ፊፋ ዝነበረ ጀሮም ቫልክ ገሊጹ። "ቢራ ናይ ምሻጥ መሰል ከም ዘለና ኣካል ናይቲ ሕጊ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ። ሚኒስተር ጥዕና ብራዚል ነቲ ለውጢ ክቃወሞ እንከሎ፡ ፍሉይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት እታ ሃገር ማርኮ ኣውሬልዮ ጋርስያ ድማ ንቫልከ "ህውታትያ"፡ "ባዕዳዊ ገዛኢ" ከምኡ'ውን "ትምክሕተኛ" ክብል ነቒፉዎ። ዋላ’ኳ ተቓውሞታት እንተነበረ እታ ብ2014 አአንጋዲት ዝነበረት ሃገር ነቲ ኩነታት ብምልዛብ ነቲ ሕጊ ቀይሮም ኣብቲ ውድድር ኣብ ዝካየዱ ጸወታታት ኣልኮላዊ መስተ ክሽየጥ ፈቒዶም። ኣብቲ ውድድር ኣብ ሞንጎ ተቐናቐንትን ደገፍቲን ሓያሎ ግጭታት ተራእዮም። ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ኮሎምብያ ኣንጻር ኡራጋይ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ዘጋጠመ ኩነታት ብኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ጀሮም ቫልከ ነዚ ኣመልኪቱ ንመርበብ ቴሌቪዥን ስፖርት ብራዚል ስፖርት ቲቪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብብዝሒ ዝሰኸሩ ሰባትን ደረጃ ኣልኮላዊ መስተታትን ተገሪመ" ኢሉ። ፊፋ ኣብ መጻኢ ኣብ ፖሊሲታቱ ለውጢ ክገብር ክግደድ ይኽእል ድዩ ዝብል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "[መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ] ምቁጽጻር ኣድላዪ እዩ ኢልና እንተሓሲብና ክንቆጻጸሮ ኢና" ኢሉ። ብ2018 ግን፡ ሩስያ ኣብ ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ፖሊሲ ፊፋ ዝተራእየ ለውጢ ፖሊሲ ኣይነበረን። ልክዕ ከም ብራዚል፡ ሩስያ ኣብ ቀንዲ ስፖርታዊ ፍጻመታት ኣልኮል ናይ ምኽልካል ዝጸንሐ ፖሊሲ ኣለዋ። ብ2005፡ መንግስቲ ኣብ ስፖርታዊ ስታዲየማት ኣልኮል ከይሽየጥን መወዓውዒታት ከይግበሩን ከልኪሉ። ብ2014 ድማ፡ ኣብ ሶቺ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ዊንተር፡ ዓብዪ መወዓውዒ መወልቲ ኣልኮላዊ መስተ ኣይነበሮን። ኣብ 2012 ሩስያ ኣብ ቴሌቪዥን፣ ኦንላይንን ሕትመትን መወዓውዒ ኣልኮላዊ መስተ ምሉእ ንምሉእ እገዳ ኣተኣታትያ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም ኣልኮላዊ መስተ ክሽየጥ ዝፈቅድን ነቶም ሓደሽቲ ገደባት ምውዕዋዕ ቢራ ንግዚኡ ዘፍኩስን ሓድሽ ሕጊ ፈሪሙ። ኣብ ዙርያ ኣልኮልን ኩዕሶ እግርን ዘሎ ጉዳይ ብዛዕባ ፊፋን ኣአንገድቲ ዋንጫ ዓለምን ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ዩሮ 2022 ዩኤፋ፡ ገለ ተጻወትቲ ናይ ሓደ ካብ መወልቲ ናይቲ ውድድር ናይ ዝዀነ ሃይኒከን ጥርሙዝ ቢራ ኣብ ጠረጴዛ እንከሎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣይንህብን ድሕሪ ምባሎም ጐንጺ ተላዒሉ ነይሩ። ፈረንሳዊ ኣከፋፋሊ ፖል ፖግባ ድሕሪ ሓደ ጸወታ ጋዜጣዊ መብርሂ ቅድሚ ምሃቡ ኣብ ቅድሚኡ ንዝነበረ ጠራሙስ ቢራ ክኣልይ ተራእዩ። ብኣንጻሩ፡ ከም ፖግባ ኣስላማይ ዝዀነ ወዲ ሃገሩ ካሪም ቤንዘማ፡ ዝዀነ ጠርሙዝ ከይተራእየ ንፕረስ ተዛሪቡ። ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ብኣዳለውቲ ውድድር ዝቐርብ መስተታት፡ ካብ ኣልኮል ናጻ 0.0% ዝዀነ ፍርያት ሃይኔከን እኳ እንተነበረ፡ ክልቲኦም ተጻወትቲ ግን ምስ ሓደ ኣፍራዪ ቢራ ዝህልዎም ምትእስሳር ዝቃወሙ ይመስሉ። ድሒሩ ዩኤፋ ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺታት ንኣሰልጠንትን ተጻወትን ጠርሙዝ ሃይኔከን ኣብ ፊቶም ክቐርብ ፍቓደኛታት እንተኾይኖም ክሓቶም ምዃኑ ተሰማሚዑ'ኳ እንተነበረ፡ ጋንታታት ኣብቲ ውድድር ንኻልኦት መወልቲ እንተድኣ ኣንስተናዒቐን ክቕጽዓ ከም ዝኽእላ ኣጠንቂቁ። ሕጂ፡ ኣብታ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ጽኑዕ ገደብ ዘለዋ ኣአንጋዲት ሃገር ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሃይማኖታዊ ተቓውሞታት፡ ፊፋ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ኣብ ስታድዩማት ንደገፍቲ ቢራ ከይሽየጥ ክእግድ ክሰማማዕ ምኽንያት ኰይኖም እዮም። ቪኣይፒ ትኬት ዘለዎም ሰባት ግን ቅድሚ ጸወታ፡ ኣብ እዋን ጸወታን ድሕሪ ጸወታን ኣልኮላዊ መስተ ክገዝኡ ይኽእሉ። እዚ ውሳነ ፊፋ፡ ምስ ቀንዲ መዋሊኡ ትካል ቢራ ቡድዋይዘር ኤቢ ኢንቤቭ ዝህልዎ ርክብ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ክርአ እዩ። እዚ ካብ 1980ታት ጀሚሩ ዓብዪ መዋሊ እቲ ውድድር ዝዀነ ትካል፡ ንሓንቲ ዋንጫ ዓለም ኣስታት 75 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸፍል ይንገር። ኣሜሪካ - እቲ ፋብሪካ ዝርከበላ ሃገር - ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ኣአንገድቲ ዋንጫ ዓለም 2026 ብምዃና ግን፡ ኤቢ ኢንቤቭ ኣብ ዝቕጽል ውድድር ዝያዳ ዕድለኛ ክኸውን ተስፋ ክገብር ይኽእል ኢዩ። እቲ ዝዓበየ ኣፍሪቃዊ ፕረዚደንት መበል 40 ዓመት ስልጣኑ ይጽንብል ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃ እቲ ብዕድማ ዝዓበየ ፕረዚደንት ፖል ቢያ፡ መበል 40 ዓመት ስልጣኑ፡ ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ክጽንብል እዩ። ነቲ በዓል ንምድማቕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ምድላዋት ክግበር እንከሎ፡ ደገፍቱ ንዓወታት እቲ ፕረዚደንት ይጽንብሉ ኣለው። ተቓወምቲ እቲ ወዲ 89 ዝዕድሚኡ መራሒ ግና፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድን መንበር ንሓድሽ ወለዶ ከረክብን ይጠልቡ። ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ፖል ቢያ፡ ብዓበይቲ ግን ከኣ ዘይተተግበሩ ብዙሕ ውጥናት ይፍለጥ። ሱር ዝሰደደ ብልሽውና ዝዓበየ ውድቀት ካሜሩን ምዃኑ ሓላፊ 'ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናልን' ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ነበርን ኣከር ሙና ይዛረብ። “ኣብ ትካላት ዕደና፡ መን’ዮም ዓደንቲ? እንታይ የፍርዩ? ነታ ሃገር እንታይ ይኸፍሉ? ነታ ሃገር እንታይ ይኸፍሉ? ስለምንታይ ዜጋታት ብዛዕባ ወጻኢታት ሃገሮም ዘይንገሮም?” ክብል ከኣ ይሓትት። ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ኣብተን ብቐንዱ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዛረባ ክልተ ዞባታት እታ ሃገር፡ ኣንጻር ተነጸልቲ ኣንግሎፎን መሪር ግንባር ገጢሙ ይርከብ። ብሰንኪ እቲ ግጭት ከባቢ ክልተ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣሽሓት ከኣ ተቐቲሎም ኣለው። “ንሱ ንስም እታ ሃገር ካብ ‘ዩናይትድ ሪፓብሊክ’ ናብ ‘ላ ረፓብሊኲ ዱ ካሜሩን’ ቀዪርዎ ኣሎ። እዚ እታ ቋንቋ ፈረንሳ እትዛረብ ሪፓለሊክ ካሜሩን፡ ንሕና ኣብ 1961 ቅድሚ ምጽንባርና ትጽውዓሉ ዝነበረት እዩ፡” ይብል ሓደ ኣብ መገዲ ርእይቶኡ ዝሓተትክዎ ሰብኣይ። ወሲኹ’ውን እዚ ንምዕዝምዛማት ናይ’ቶም ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ዝኾኑ ዞባታት ዘጋድድ ምዃኑ’ውን ይገልጽ። “እቲ ስርዓት ክልወጥ እንተዝፍትን ጽቡቕ ኔሩ” ዝበለት ካልእ ሰበይቲ ከኣ “ስለምነታይ ጓል ኣንስተይቲ ወይ ብዕድመ ንዝነኣሰ ሰብ ዘየረክብ?” ክትብል ትሓትት። ካልእ ሰብኣይ'ውን፡ “ነቲ ዝገበሮ ሒደት ነገራት ነድንቖ” ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ቢያ “ዘዕርፈሉ ግዜ” ምዃኑ ይገልጽ። ፕረዚደንት ቢያ ግና ቅድሚ ሒደት ዓመታት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ክመውት ዝምነየሉ ዝኾነ ሰብ እንተሃልዩ፡ 20 ዓመታት ክጽበ ከምዘድልዮ ተዛሪቡ። ትራምፕ ናብ ስልጣን ይምለስ’ዶ ይኸውን? ትራምፕ ናብ ስልጣን ይምለስ’ዶ ይኸውን? ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ኣብ መረፃ 2024 ንምስታፍ ዘለዎ ድልየት ዓቢ ምልክት ሂቡ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ዋይት ሃውስ ንምምላስ ክወዳደር ከምዝኽእል ክሳብ ሎሚ ካብ ዘርኣዮም ድልየታት እቲ ዝዓበየ ምልክት ኣእንፊቱ። ንሱ ኣብ ኣዮዋ - ሲዮክስ ሲቲ ንዝተኣከቡ ሰባት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ 2024 "ኣዝየ፡ ኣዝየ፡ ኣዝየ ዳግማይ ክገብሮ እኽእል እየ" ኢሉ። ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ናይ መፋርቕ ምርጫ [‘ሚድ ተርም ኢለክሽንስ’] ንሕጹያት ሪፓብሊካን ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን’ዩ ነዚ ዝበለ። ኣሜሪካውያን ሰሉስ ኣብ ናይ መፋርቕ መረፃ ዝህብዎ ድምጺ፡ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካን ወሰንቲ ምምሕዳራት ግዝኣታትን ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ። ሪፓብሊካን ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ነቶም ተኣከብቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብተደጋጋሚ ዝገለጾ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ዝተሳዕሩ፡ ዝኾነ መርትዖ ከየቕረቡ፡ ምትላል ከምዝተገብረሎም ገሊጾም። ሪፓብሊካን ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኣብ መረፃ 2020 ብሰንኪ ሰፊሕ ምትላል ከምዝተሳዕረ ዝገልፅ መረዳእታ ዘይብሉ ክሱ ደጊሙ’ሎ። "ክልተ ግዜ ተወዳዲረ፤ ክልተ ግዜ ተዓዊተ። ኣብ ካልኣይ ግዜ ድማ ካብቲ ቀዳማይ ዝገበርክዎ ኣዝዩ ዝሓሸ ውጽኢት ኣመዝጊበ። ኣብ 2020 ካብቲ ኣብ 2016 ዝነበረ ብሚልዮናት ዝቑጸር ተወሳኺ ድምፂ ረኺበ" ኢሉ። "ሎሚ ድማ ሃገርና ዕውትቲ ከምኡ'ውን ውሑስትን ክብርቲን ንምግባር፤ ዝየ፡ ኣዝየ፡ ኣዝየ ዳግማይ ክገብሮ እኽእል እየ" ክብል ተዛሪቡ። "ኣዝዩ ኣብ ዝቐረበ ግዜ" ክብል ዝተሰምዐ ትራምፕ "ተዳለዉ" ብምባል ነቶም ሓጎሶም ዝገልፁ ዝነበሩ ዝተኣከቡ ሰባት ፃውዒት ኣቕሪቡ። ትራምፕ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ናይ መፋርቕ መረፃ 72 ሚልዮን ድምጺ ረኺቡ ነይሩ። በዚ ድማ ንሓደ ​​ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ዝተወሃበ ዝበዝሐ ድምፂ ክውንን በቒዑ። ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኒው ሜክሲኮን ካሊፎርንያን ጎስጓስ ዘካየደ ባይደን ብወገኑ፡ ኣብ 2024 ክሳተፈሉ ንዝኽእል ዳግመ ምርጫ ጎስጓስ ንምውጣን ምስ ላዕለዎት ኣማኸርቲ ክራኸብ ዝፀንሐ ኮይኑ እቲ ውድድር ድማ ዳግማይ ምስ ትራምፕ ክካየድ ከምዝኽእል ይግለጽ። ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ትራምፕ ነበር ኬልያን ኮንዌይ፡ ቅድሚ’ቲ ብሓሙስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ጎስጓስ፡ ሓላፊኣ ነበር ብዛዕባ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክህልዎ ዝኽእል መደባት "ኣብ ቀረባ እዋን ክእውጅ'ዩ" ኢላ ነይራ። ባይቶኣዊ መረጻታት ኣሜሪካ፡ ሚዛን ሓይሊ ኮንግረስ ኣብ ዘይርጉጽ ኩነታት ይርከብ ድምጺ 'መረጻታት መፋርቕ' ኣብ ዝቑጸረሉ ዘሎ እዋን፡ ሪፓብሊካንን ደሞራስያውያንን ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ዓብላልነት ንምርካብ ጽዑቕ ውድድር የካይዱ ኣለዉ። ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሪፓብሊካን ከም ዝዕወቱ ዝተገመተ እኳ እንተኾነ፡ ንላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ዝግበር ቃልሲ ግን ኣብ ኣዝዩ ሓያል ወጥሪ እዩ ዘሎ። ባይቶ ኣሜሪካ ክልተ ክፋላት ኣለዎ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሰነትን። ሪፓብሊካን "ብልዑል ድምጺ" ከም ዝዕወቱ ተስፋ ገይሮም ነይሮም። እንተኾነ ግን ኣብ ብዙሓት ወሰንቲ ከባቢታት መን ከም ዝዕወት ምግማት ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ። ዲሞክራትስ ኣብ ክፍለሃገር ፔንስልቨንያ ኣብ ዝተኻየደ ወሳኒ ውድድር ሰነት ተዓዊቶም እኳ እንተኾኑ፡ ሪፓብሊካን ግን ነቲ ላዕለዋይ ባይቶ ንምቁጽጻር ብሓፈሻ ሓንቲ ተወሳኺት መንበር ጥራይ ምዕዋት ይኣኽሎም እዩ። ዋላ እኳ ዲሞክራትስ ገለ ብርቱዕ ውድድር የካይዱ እንተሃለዉ፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ሕጂ’ውን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ከምዝዕወቱ ይግመት። ኩሎም እቶም 435 መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ካብቶም 100 መናብር ሰኔትን እቶም 34ን ኣሻወምቲ እዮም። ኣባላት ባይቶ ንህዝቢ ከባቢኦም ክውክሉ እንከለዉ፡ ሴናተራት ድማ ንረብሓ ግዝኣታቶም ይውክሉ። ካብ ውሑዳት ሚእታዊ መረጽቲ ዝተወስደ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ ዝዓበየ ስክፍታታት መረጽቲ ዝቕባበ (ቁጠባን ዋጋ ገንዘብ ምንካይን) እዮም። ፕረዚደንት ባይደን፡ ዋላ’ኳ ንውድድር እንተዘይቀረበ፡ እቲ ውጽኢት ባይቶኣዊ መረጻታት ንዕጫ ኣጀንዳኡ ዝቐርጽ እዩ። ዲሞክራትስ ኣብ ባይቶ ይኹን ኣብ ሴኔት ሚዛን ሓይሊ እንተዘይረኺቦም፡ ሪፓብሊካን ንመደባቱ ክዓግትዎ ስለ ዝኽእሉ፡ ባይደን ሕግታት ኣብ ምጽዳቕ ከቢድ ብድሆ ክገጥሞ እዩ። ኣብ 2024 ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ትጽቢት ዝግበረሉ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝደገፎም ገለ ሕጹያት ኣይተዓወቱን። ኣብ ፔንስልቨንያ እቲ ብትራምፕ ዝድገፍ ፍሉጥ ዶክተር መህመት ኦዝ፡ በቲ ወቕዒ ኣጋጢምዎ ዝጸንሐ ጸጋማዊ ዲሞክራት ጆን ፌተርማን ተረቲዑ’ሎ። ኣብ መንጎ ዲሞክራት ራፋኤል ዋርኖክን ሪፓብሊካን ሄርሸል ዎከርን ኣብ ጆርጅያ ዝካየድ ካልእ ወሳኒ ውድድር ሴነት፡ ኣብ ኣዝዩ ሓያል ወጥሪ እዩ ዘሎ።፡ ክልቲኦም ሕጹያት ልዕሊ 50 ሚእታዊ ድምጺ እንተዘይረኺቦም ድሕሪ ኣርባዕተ ሰሙን ኣብ ካልኣይ ዙር መረጻ ክወዳደሩ ይኽእሉ’ዮም፣ ኣብ ዊስኮንሲን፡ ኣሪዞናን ኔቫዳን ዝካየድ ወሰንቲ ውድድራት ሰነት'ውን ውጽኢቶም ገና ኣይተፈልጠን። ስለዚ፡ ሚዛን ሓይሊ ባይቶ ኣሜሪካ ዝሕዝ ሰልፊ ከይተፈልጠ ንመዓልታት፡ ወይ’ውን ንሰሙናት ከይተረፈ ክጸንሕ ይኽእል’ዩ ማለት’ዩ። መረጻ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት እውን ኣብ ሓያሎ ግዝኣታት ተኻይዱ እዩ። ሪፓብሊካን ኣብተን ወሰንቲ ግዝኣታት ቴክሳስ፡ ፍሎሪዳን ጆርጅያን ተዓዊቶም ኣለዉ። ኣብ ፍሎሪዳ ደሳንቲስ፡ ኣብ 2024 ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ዘዳልዎ ዓቢ ዓወት ብምምዝጋብ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ። ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ነቲ ኮኾብ ሪፓብሊካን "ሮን ዲሳንክቲሞኒየስ" ብምድጋፍ ሮን ደሳንቲስ ንከይወዳደር ኣጠንቂቑ ነይሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ጆርጅያ ሕጽይቲ ዲሞክራት ዝኾነት ስቴሲ ኣብራምስ ብሪፓብሊካን ኣመሓዳሪ ብራያን ኬምፕ ተሳዒራ'ላ። ምንጻል ጥንሲ ንዲሞክራት መረጽቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ክኸውን ከሎ፡ ሪፓብሊካንን ነጻ ውልቀሰባትን ግን ዝቕባበ ቀንዲ ስክፍታኦም ከምዝኾ እቲ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝኾነ ሲቢኤስ ኣብ ውሑዳት ሚእታዊ መረጽቲ ዘካየዶ ዳህሳስ የመልክት። ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኸፍአ ምንካይ ዋጋ ገንዘብ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ዋላ’ኳ ባይደን ዋጋታት ብሓኪም ዝተኣዘዙ መድሃኒታት እንተነከየ፡ ጽሩይ ጸዓት እንተስፍሐን ትሕተ ቅርጺ እታ ሃገር እንተተሓደሰን፡ ዝነበሮ ደገፍን ተቐባልነትን ግን ይንኪ ኣሎ። ሪፓብሊካን’ውን፡ ብዓቃባውያን ዝዕብለል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብዚ ዓመት ንሕገ መንግስታዊ መሰል ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣብ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ ተቓላዕነት ኣለዎም። ኣብ ሰሉስ ኣብ ቬርሞንት፡ ካሊፎርንያን ሚቺጋንን ዝርከቡ መረጽቲ፡ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ቅዋማት ግዝኣታቶም ክሰፍር ዝወሰኑ እንትኾን፡ እዚ ኣብ መጻኢ፡ እቲ ሓጋጊ ኣካል ገደብ ንምትእትታው ዝገብሮ ጻዕሪ ዝዓግት እዩ። ክፍለሃገር ኬንታኪ ብወገና፡ ምእላይ መከላኸሊ ምንጻል ጥንሲ ብዝምልከት መረጻ ንምክያድ ክትውስን እያ። ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ እቲ ኣገዳሲ ኮይኑ ዘሎ ስፍራ ኣብቲ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንኽልተ ዓመታት ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሞይቶም፡ ሚልዮናት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ምቁራጽ ተኵሲ፡ ተስፋታት ሰላም ፈጢሩ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ነሓሰ እቲ ኲናት ዳግማይ ተባሪዑ። እቲ ኲናት ብዙሕ ቅልውላዋት እዩ ኣስዒቡ። ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ከኣ ሓደ ካብኦም እዩ። ንምዃኑ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ንምንታይ እዩ ኣገዳሲ ኮይኑ? ሓድሽ ዓመት ‘ይኣኽለና’ ኢልና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ እንሳገረሉ ክኸውን’ዩ ተስፋይ'': ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሞት ኣቶ መለስ ዜናዊ ስዒቡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2005 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] መራሒ እታ ሃገር ኮይኑ ተመዚዙ። ቅድሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ምዃኑ ግን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኮይኑ ሰሪሑ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላት ኣመራርሓ ቦርድ ኮይኑ የገልግል’ሎ። ቢቢሲ ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ዓመት 2015 ኣመልኪቱ ምስ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ቃለ መሕትት ኣካይዱ’ሎ። ቢቢሲ፡ ኣብ ጥሮታ ዲኻ ዘለኻ ወይስ ኣብ ስሩዕ ስራሕ ኢኻ ዘለኻ? ኣበይ ከ ኢኻ እትነብር ዘለኻ? ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣብ ኢትዮጵያ እየ ዝነብር። እንተኾነ ግን ስርሐይ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንኽንቀሳቐስ የገድደኒ’ዩ። ኣብ ክልተ ቀንዲ ዋኒናት እሳተፍ ኣለኹ። እቲ ናይ ፈለማ ምስ በዓልቲ ቤተይ ኣብ ዘጣየሽናዮ ፋዉንዴሽን ሃይለማርያን ሮማንን ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንሰርሕ ኢና። እቲ ፋዉንዴሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክንክን ሓለዋ ሃብቲ ተፈጥሮ’ዩ ዝሰርሕ። ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ድርቅን ውሕጅን ዘሃስያ ሃገር’ያ። ስለዝኾነ ኣብ ስራሕቲ ዕቀባ ኣግራብን ሓመድን ዝነጥፍ ኮይኑ ከም መጀመሪ ኣብ ወሽመጥ ኦሞ ንሰርሕ ኣለና። ቢቢሲ፡ ዓመት በዓል ብኸመይ ኢኻ እተሕልፎ? ኣቶ ሃይለማርያም፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ቅድሚ ኣውደ ኣመት ጾም ኣሎ። ሓድሽ ዓመት ቅድሚ ምብሓቱ 15 መዓልትታት ኣቐዲምና ጾመ ጸሎት ንገብር ኢና። እቲ ሓድሽ ዓመት ዘበነ ሰላም፣ ልምዓት፣ ብልጽግናን ራህዋ ዝተመልኦ ዓመት ኮይኑ ንኽሓልፍ ንጽሊ። እንተኾነ ግን ኣብ ዝኾነ ይኹን በዓል ዕግርግር ክፍጠር እንከሎ ሕጉስ ኣይኮንኩን። ብተፈጥሮይ’ውን ህውከት ኣይፈቱን። እኳ’ድኣስ ናብ ጫካ፣ ሩባን ፓርክታት ናይ ምኻድ ልምዲ’ዩ ዘለኒ። ኣብ ውሽጢ ገዛ ክነሕልፎ እንተኾይኑ ግን ኮፍ ኢልና እንዳተጻወትና ኢና እነሕልፎ። ኩላትና ስድራ ተኣኪብና ብሓባር ነሕልፎ። ብፍላይ ናብ ኣጋምሸት ከባቢ ካብ ቤተ ክርስትያን ኮነ ገዛ ተኣኻኺብና ንጻወት። ቢቢሲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃብካዮ ቃለ መሕትት ብርንዶ [ጥረ ስጋ] ከምእትፈቱ ተዛሪብካ ኔርካ። ኣብ ኣውደ ኣመት ምስ ጥረ ስጋ ከመይ ኢኻ? ኣቶ ሃይለማርያም፡ ጥረ ስጋ ኣብ ዝተረኸበሉ እበልዕ’የ። ብርግጽ ርጉዲ ንምንካይ ኮነ ጥዑይ ስርዓተ ኣመጋግባ ንምትግባር ከም ስጋ ዝኣመሰሉ ፕሮቲናት ምምጋብ ይምከር’ዩ። ልዕሊ ዓቐን ኮይኑ ናብ ዩሪክ ኣሲድ ንኸይቕየር ጥንቃቐ እንተድኣ ተገይሩ ማለት’ዩ። ካብተን ደቀይ ሓንቲ’ውን ስጋ ኣመና እያ ትፈቱ። ቢቢሲ፡ እሞ ጥረ ስጋ ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ኣብ ቤትኩም ኣይስኣንን ማለት’ዩ? ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣይሰኣንን። ቢቢሲ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመት ንቤተሰብ ውህብቶ ኣብ ምሃብ ከመይ ኢኻ? ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ውህብቶ ብባህልና ልሙድ ኣይኮነን። ፖስትካርድ እንተዘይኮይኑ። እንተኾነ ግን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ውህብቶ ንወሃሃብ ኢና። ንዓና’ውን ውህብቶ ይመጽኣልና’ዩ። ካብቶም ዝመጽኡልና ውህብቶታት፡ ዕምበባ፣ በጊዕን መስተን ይርከብዎም። እንተኾነ ግን ንሕና መስተ ስለዘይንሰቲ ኣኪብና ንሸጦ’ሞ ናብ ካልእ ዕላማ ኢና እነውዕሎ። ቢቢሲ፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ተስፋን ሻቕሎትን’ሎ ዶ? ኣቶ ሃይለማርያም፡ ኣነ ኩሉሻብ ተስፋይ ኣብ እግዚኣብሄር’ዩ። ብእኡ ተስፋ እገብር፣ ተስፋ ቆሪጸ ኣይፈልጥን። ሰናይ ነገር ክገብር’ዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ተስፋን ሻቕሎትን ናይ ደቂ ሰባት መናብርቲ ስለዝኾነ ግን ካብኡ ወጻእ ክነብር ዝኽእል ሰብ የለን። ሓንሳብ ሓንሳብ ተስፋ ይብርትዕ ሓለሓሊፉ ድማ ሻቕሎት ይሕይል’ዩ። ብደረጃ ሃገር ኮነ ውልቀ ሰብ ብዙሕ ተስፋ ዘስንቑ ነገራት ከምዘለዉ ኮይኖም ብእኡ ልክዕ ድማ ሻቕሎት ዝጽሕትሩ፣ ክንፈትሖም ዝግብኣና ዘይፈታሕናዮም ዝተኣጀሉ ጸገማት ኣለዉና። ነዚኣቶም ካብ ስምዒታዉነት ወጺእና ብህድኣት፣ ሰላምን ፍቕርን ኣማእኺልና ንጽልእን ቅርሕንትን ክንፈትሖም ኣለና። ብዙሓት ሃገራት ኣብ ሻቕሎትን ወጥርን ኣብ ዝኣተዋሉ ግዝያት ካብቲ ዝኣተውዎ ጸገም ትምህርቲ ወሲዶም ካብ ደጊም ይኣኽለና ዝብላሉ ተጓንፎታት ኣሎ። ንኣብነት ሃገራት ኣውሮፓ ክምስረታ እንከለዋ ብዙሕ ጸገማት ሓሊፈን’የን። ይኹን እምበር እዚ ካብ ደገም ይኣኽለና ኢለን እየን ካብቲ ጸገም ተላቒቐን። ንሕና’ውን ኣብቲ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ይኣኽለና፣ ህዝቢ ኣምሪሩ ካብ ደጊም ይኣኽለና ኢሉ ዝሰማማዓሉ ግዜ’ዶ ይኸውን? ኣብ ኩሉ ኣንፈት ዘለዉ መራሕቲ ዝሰማምዕሉ ግዘ'ዶ ኣኺሉ ይኸውን? ኢለ ይሓትት። እዚ እንድሕር ኮይኑ ነቲ ሕሉፍ ታሪኽ ገዲፍካ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ዕድል’ሎ። እዚ ምስ ዘይኸውን ግን ናይ ዕንወት ናይ ምስግጋር ተኽእሎ’ሎ። ናተይ ተስፋ ግን ‘እዚ ይኣኽለና’ ኢልና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ናይ ምስግጋር ዕድል’ሎ እዩ ዝብል’ዩ። ቢቢሲ፡ ኢትዮጵያን ህዝባን ሕጂ ዘለውዎ ኣጸጋሚ ኩነታት ይፍለጥ’ዩ። እዚ ጸገም ንምምሕያሽ እንታይ ዓይነት ግደ ክህልወካ’ዩ? ኣቶ ሃይለማርያም፡ ናተይ ግደ ዓብይ’ዩ ኢለ’ኳ እንተ ዘይወሰድኩ፡ ኢትዮጵያ እትኣክል ዓባይ ሃገር ከምዝመርሐ ሰብ ግን ብዝኽኣልኩዎ ኩሉ ጻዕሪ እገብር እየ። ናይ ሰላም፣ ምትሕብባርን ፍቕርን መንፈስ እምበር ብናይ ጽልእን ስዕርካ ምሕላፍን መንፈስ ከይኸውን ማዕዳይ ከሕልፍ እደሊ። እዚ ብቓል ድኣ ይበሃል እምበር ብተግባር ክተሽርፎ ግን ከቢድ’ዩ። ብደረጃ ዓለም ለኸ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽልዋ ዝፈጥሩ ሰባት እረክብ እየ። ብፍላይ መራሕቲ ኣፍሪቃን ምዕራባውያን ሃገራትን ረኺበ ብዛዕባ እቲ ኢትዮጵያ ዘላትሉ ኩነታት ከብራህርህሎም እፍትን’የ። እታ ሃገር ኣጋጢምዋ ካብ ዘሎ ጸገም ንኽትወጽእ ሓገዝ ክገብሩ እጽዕር’የ። ዘይተረድእዎ ሓቂ እንተልዩ ድማ ክርድእዎ ብምግባር ቆላሕትኦም ኣብ ተጻባእቲ ሓይልታት እንተይኮነስ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከተኩሩ እፍትን’የ። ኣቃልብኦም ኣብ ህዝቢ እንተዘይኮይኑ ተጻባእቲ ሓይልታት ብዝፈጥርዎ ጸገም እቲ ህዝቢ ከቢድ መቅጻዕቲ ክበጽሖ ይኽእል’ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስቓይ ዝናገፈሉ እምበር ጸገማቱ ዘናውሕ ስጉምቲ ከይወስዱ ይምዕዶም። ብፍላይ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ሃገር መሰረቱ እንተተናጊዑ ምሉእ ኣፍሪቃ፣ ማእኸላይ ምብራቕ ኮነ ኣውሮፓ ከባጽሕ ዝኽእል ቅልውላው ዘምጽእ ምዃኑ ተረዲኦም ዝተጸንዐ ፖሊሲ ንኽሕዙ እየ ጻዕሪ ዝገብር። ቢቢሲ፡ ሓድሽ ዓመት እንትብሕት ብዙሓት ንድሕሪት ተመሊሶም ግዘ ቁልዕነቶም ይዝክሩ። ንስኻ ኣብ ግዜ ሓድሽ ዓመት ናብ ኣእምሮኻ ዝመላለሱ ተዘክሮታት እንታይ’ዮም? ኣቶ ሃይለማርያም፡ ሓድሽ ዓመት ብዝኣተወ ቁጽሪ ሓደ ሕማቕ ተዘክሮ ኣለኒ። 12 ክፍሊ ምስወዳእኹ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣቦይ ዓሪፉ። ኣብ ሓዘን እንከለና ሓድሽ ዓመት ኣርኪቡልና። ናብ ዩኒቨርሲቲ እንኣትወሉ ግዜ ስለዝነበረ ኣብ ሓዘን ኮይነ እየ ናብ ምዝገባ ከይደ። ንዓይ እታ ሽዓ ዝነበረት ሓዳሽ ዓመት ሕማቕ ነይራ። እቲ ናይ ሻቡ ኩሉሻዕ እየ ዝዝክሮ። ኣቦና ኩሉ ነገርና ስለዝነበረ እቲ ዝነበረ ናይ ልቦና ስብራት ሓድሽ ዓመት ኣይርስዖን። በቲ ካልእ ገጽ ድማ ምስ በዓልቲ ቤተይ መርዓ ዝገበርናሉ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ’ዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ኣብ ንእስነት ዕድመና ኣብ ሓድሽ ዓመት ዘሕለፍናዮም ሰናይ ግዝያት ኣይርስዖን። እዞም ክልተ ተጓንፎታት’ዮም ኩሉሻብ ናብ ሕልናይ ቅጅል ዝብሉኒ። ቢቢሲ፡ ዋላ’ኳ ምስ ኣውደኣመት ዝዛመድ ኣይኹን ጻኒሒትና ንምጥቕላል ዝኣክል ንገዛእ ርእስኻ ካብ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትርነት ስልጣንካ ምስ ኣግለልካ ኣብ ኢትዮጵያ ክመጽእ’ዩ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ለውጢ ተረጋጊጹ’ዩ ኢልካ'ዶ ትኣምን? ኣቶ ሃይለማርያም፡ ናተይ ካብ ስልጣን ምእላይ ኣብቲ ሽዑ ግዘ ተፈጢሩ ዝነበረ ወጥርን ሻቕሎትን ኣብ ምዝሕሓልን ህዝቢ ተስፋ ክሰንቕን ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ልዑል ግደ ነይርዎ’ዩ። ኣብ ሃገርና ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ብሰላም ምንባር ዝኽኣለ ሰብ ኣብ ዘይነበረሉ ኩነታት ከምዝከኣል ሓደ ኣብነት’ዩ። ኣነ’ውን ዕድለኛ ሰብ እየ ኢለ እየ ዝኣምን። እዚ ብኹሉ መዳይ ዘሕልፎ ናይ ገዛእ ርእሱ መልእኽቲ ኣለዎ። ነቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት’ውን እንተኾነ ከም ዝከኣል ዘምሃረ’ዩ። ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ “ከማኻ ዕድል ገጢሙኒ ኣነ’ውን ስልጣነይ ብግዜይ ኣረኪበ ምስ ህዝቢ ብሰላም ዝነብረሉ ዕድል እንተዝፍጠረለይ” ክብል ሰሚዕኽዮ ትኾኒ ኢኺ። ብድሕረይ ናብ ስልጣን ዝደየቡ መራሕቲ ስልጣን ናይ ህይወት መወዳእታ ከምዘይኮነን ካብ ስልጣንካ ወሪድካ ብሰላም ምንባር ከምዝከኣል ዘርኣየ’ዩ ኢለ እየ ዝኣምን። እኳ’ድኣስ ዝሓሸ ኣስተዋጽኦ ምግባር ከምዝከኣል ዘርኣየ’ዩ። እቲ እነበርክቶ ኣስተዋጽኦ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ። እንተኾነ ግን ጸገማት ሃገርና ኢትዮጵያ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ’ዩ። ናተይ ወይ ከዓ ብናይ ካልእ ካብ ስልጣን ምውራድ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ናይ ባዕሉ መደላድል ክፈጥር ግን ይኽእል’ዩ። ኣነ ንባዕለይ ካብ ስልጣን ወሪደ እንትሓስቦ ዕምቖት ጸገማት ሃገርና ብግብኡ ክንርዳእ ብዘይምኽኣልና ንጉዳእ ኢና። ጸገማት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ካብ ምዃኑ ዝተልዓለ ካልእስ ይትረፍ እቲ ሕጂ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ኣካል ካብ ስልጣነይ ወሪደ እንተዝብል’ኳ ዝፍታሕ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ልዕሊ ናይ ኣመራርሓ ምልውዋጥ’ዩ። ሕብረተሰብና ቅረታን ቅርሕንትን ዝተመልኦ’ዩ። እቲ መንእሰይ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣተሓሳስባ ኣለዎ። እቲ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ’ውን ከምኡ ናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ ዘለዎ’ዩ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብዙሕ ኣሰር ሓዲጎም ዝሓለፉ ወለዶታት ኣለዉ። ብናትና ኣጸዋውዓ እቲ ናይ 1960ታት ወለዶ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ ኣትዩ ክሳብ ሕጂ ንስልጣን ዝነሓንሑ ዘለውዎ ግዜ’ዩ። እዚ ትውልዲ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝሓዞም መርገጽታት ኣብ ኢትዮጵያ ብጽቡቕን ሕማቕን በሰላ ገዲፎም’ዮም። ካብኣቶም ሓደ ሕቶ ብሄራት ዝተመለሰሉ መገዲ’ዩ። ሕጂ ከምዝተረድኣና ኩላትና ከምቲ ዝሓሰብናዮ መሰልን ማዕርነትን ብሄራት ካብ ምርግጋጽ ሓሊፉ ናብ ምጥፍፋእን ኣኽራርነትን ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ብዙሕ ጸገማት ኢና ዘለና። ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ብግልጺ ተዛቲና እቲ ማእኸላይ መገዲ ክንእልሽ ኣለና። ካብ ኣኽራርነት ብዝራሓቐ መገዲ መሰላት ብሄርን ሃይማኖትን ከምኡ’ውን መሰላት ጉጅለ ካብ ናይ ዜግነት መሰል ንላዕሊ ብዘይኾንሉ መንገዲ ኣማራጽታት ክንእልሽ ኣለና። እዚ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ከም በዓል ሶቭየት ሕብረት ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ክፍጠራ እንከለዋ ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝመጽአ ሓሳብ’ዩ። ንሕና ነቲ ሓሳብ ክንሽምቶ እንከለና ግን ሕብረተሰብና ዝተሓዋወሰ ምዃኑ ብዝረስዐ መገዲ ኢና ኣተግቢርናዮ። ናይ ሓባር መፍትሒ ንምንዳይ መራሕቲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ከምኡ’ውን ዝምልከቶም ኩሉ ዘሳተፈ ዘተ ተገይሩ መፍትሒ ምትእልላሽ ከድሊ’ዩ። ንኣብነት ናተይ ብሄር ወሲድኪ ደቂ ወላይታ ኣብ ግዜ ምስረታ ሃገር ሃጸይ ሚኒሊክ ተጨፍሊቕና ኢና፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተጨፍጪፎም’ዮም ኢሎም ክሳብ ሕጂ ይዛረቡ’ዮም። ሓቂ’ዩ እዚ ኣይተገበረን ክብል ኣይክእልን። እንተኾነ ግን ካብ ሓደ ሃጸያዊ ስርዓት ዝኽተል ንጉስ፡ ዴምክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ንጽበ እንድሕር ኮይንና ምስ ታሪኽ ኢና ናብ ጎንጺ ክንኣቱ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ጦና’ውን እንተኾነ ዕድል እንተዝረክብ ነይሩ እቲ ሚኒሊክ ዝገበሮ ካብ ምግባር ንድሕሪት ይብል’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ንጉስ ጦና ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ከባቢ እቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ሃጸያዊ ስርዓት ናይ ባዕሉ ጸቕጢ ፈጢሩ’ዩ። ስለዝኾነ ኩላቶም ሃጸያዉያን ስርዓት ዝፍጽምዎ ነገር እዩ። እንተኾነ ግን ልክዕ ኣይነበረን። እዚ ቅርሕንቲ ሒዝካ ሚኒሊክ ዝተፈጠርሉ ጭቁን ብሄረ ኣምሓራ ከምዝገበሮ ተገይሩ ዝሰኣለሉን ዝተፈላለዩ ስያሜታት ዝወሃበሉ መገዲ ግን ክፍታሕ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት እዚ ዘይተፈትሐ ቅርሕንቲ ሰለማውያን ሰባት ንኽጉዳእን ክመውትን ዝገብር’ዩ። ናይ ሃገርና ናይ ቅድሚ ሕጂ ሰናይ ተግባር ሰኒቕና እቲ ካልእ ሕማቕ ታሪኽ ድማ ካልኣይ ከምዘይድገም ተኣማሚንና እንሳገረሉ መገዲ ኢና ክንሰርሕ ዘለና። ስለዝኾነ ኣሳታፋይን ዓሚቝን ዘተን ምርድዳእን ክፍጠር ኣለዎ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ሻቕሎትና እንዳወሰኸ ምኻዱ ኣይክተርፍን። ብምዃኑ ናተይ ካብ ስልጣን ምውራድ ኩሉ ነገር ዝፈትሕ ኣይኮነን። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ቅሩብ ጭላንጭል ተስፋ ሂቡ ነይሩ። እቲ ተስፋ ኣብ ግዜ ከይዲ እንዳጎደለን እንዳዝሓለን ምምጽኡ ኩላትና ንዕዘቦ ዘለና ነገር እዩ። ይኹን እምበር ሕጂ’ውን ናብቲ ልክዕ ዝኾነ መገዲ ክንኣቱ ዘኽእል ዕድል ኣለና። ሩስያ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ዩክረይን ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝሓዘቶም ሰለስተ ወጻእተኛታት ንሞት ፈሪዳ ሩስያ፡ ኣብ ጐድኒ ዩክረይን ክዋግኡ ዝሓዘቶም ክልተ ብሪጣንያውያንን ሓደ ሞሮካውን ንሞት ፈሪዳ። ብሪጣንያውያን ኤይደን ኣስልን ሻውን ፒነርን ከምኡ'ውን ሞሮካዊ ብራሂም ሳውዱን ብዕሱብነት ተኸሲሶም ናብቲ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዝተሰየመ ወኪል ቤት ፍርዲ ሩስያ ከም ዝቐረቡ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ሓቢራ። እቲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘይብሉ ቤት ፍርዲ ኣብታ ደጋፊት ሩስያ ዝዀነት ንባዕላ ሪፐብሊክ ህዝቢ ዶነስክ ኢላ እትጽውዕ ግዝኣት እዩ ተጣይሹ። ዓባይ ብሪጣንያን ዩክረይንን እቲ ፍርዲ ንሕጋጋት ዓለምለኻዊ መሰል ምሩኻት ዝጥሕስ እዩ ብምባል ኮኒነናኦ ኣለዋ። ኣዝማድ ናይቶም ብሪጣንያውያን፡ እቶም ምሩኻት ንነዊሕ ግዜ ዘገልግሉ ኣባላት ሰራዊት ዩክረይን እምበር ዕሱባት ከም ዘይኮኑ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም። እቶም ምሩኻት ይግባይ ክሓቱ ከም ዝደልዩ ጠበቓ ናይቶም ተኸሰስቲ ምግላጹ ማዕከን ዜና ታስ ገሊጻ። ሩስያ፡ ዕሱብነት፡ ብሓይሊ ስልጣን ንምሓዝ ብምፍታንን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ስልጠና ብምውሳድን ዝብል ክሲ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ኣቕሪባ። ክልቲኦም ዜጋታታ ክተፍትሕ ምስ መንግስቲ ዩክረይን ክትሰርሕ ዝጸንሐት ብሪጣንያ በቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ኣዝያ ከም ዝተሻቐለት ገሊጻ ኣላ። ምሩኻት ኲናት “ንመጥቀሚ ፖለቲካዊ ዕላማ ክውዕሉ ኣይግባእን” እውን ኢላ። ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ሊዝ ትሩስ እውን ነቲ ፍርዲ “ሓቅነትን ቅቡልነትን ዘይብሉ” ክትብል ኮኒናቶ። ብሪጣንያውያን ወዲ 28 ዓመት ኣስሊን ወዲ 48 ዓመት ፒነርን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዮም ብሓይልታት ሩስያ ተታሒዞም። ኣስሊን ዩክረይናዊት ኣፍቃሪት ከም ዘላቶ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ምሩኻት ካብ 2018 ጀሚሩ ኣብ ዩክረይን ከምዝጸንሑ ተገሊጹ። ሓደ ኣባል ባይቶ 'ቲ ኣስሊን ዝነብረሉ ከባቢ ባይቶ፡ ብሪጣንያ ንኣምባሳደር ሩስያ ብምጽዋዕ ብዛዕባ እቲ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ምሩኻት ክትሓቶ ጸዊዑ ኣሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ሩስያ ንዝማረኸቶም ዜጋታት ወጻኢ ከም ዝኾነ ምሩኽ ክትሕዞም እምበር ከተጋፍዖም ኣይግባእን ክብል ተዛሪቡ። ኣሜሪካ ንዘይሕጋዊ መቕተልትታት ኣመልኪታ ንሃገራት ሳሕል ኣጠንቂቓ ኣሜሪካ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ሳሕል ሰብኣዊ መሰላት ምጥሓስ እንተቐጺለን ሓገዛ ከም እተቋርጽ ኣጠንቂቓ። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ብጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝተሻቐለ ሓቢሩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ብውሕዱ 180 ኣስከሬናት ኣብ ጋህዚ ከም ዝተረኽበን፡ ብሓይልታት መንግስቲ ከም ዝተፈጸመ ዝእምት ጭብጥታት ከም ዘሎን ገሊጹ ነይሩ። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ነቲ ብልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማላዊ ዝወጸ ጸብጻብ'ውን ጠቒሱ ኣሎ። ወሃቢት ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሞርጋን ኦርታገስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣሜሪካ፡ እቲ ነቲ ዞባ እትህቦ ሓገዝ፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ፡ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከይውዕል ብንጹር ሓቢራ እያ፤ በዚ ድማ ጸጥታዊ ሓገዛት ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ክህልው ይኽእል እዩ" ኢላ። እቲ መግለጺ ኣብ ጂ5 ሳሕል ንዝርከቡ መራሕቲ- ቡርኪና ፋሶ፡ ጫድ፡ ማሊ፡ ማውሪታንያን ኒጀርን ነቲ ክስታት ክምርምሩን "ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ገበነኛታት ኮይኖም ንዝተረኽቡ" ተሓተትቲ ክገብሩን ጸዊዑ ኣሎ። ኣብ ኒጀር ዕጡቓት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ 69 ሰባት ሞይቶም ኣብ ኒጀር ብእስላማውያን ዕጡቓት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ብውሑዱ 69 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም እታ ሃገር ንክልተ መዓልታት ዝፀንሕ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጃ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር፡ ምስ ማሊ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ’ዩ ተፈፂሙ። ከንቲባ እቲ ከባብን መራሒ ሚሊሻን ካብ ግዳያት እቶም መጥቃዕቲ ከም ዝኾኑ መንግስቲ ኣፍሊጡ። ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፉ ንምርካብ፡ ኣለሻ ይቕፅል ከም ዘሎ ድማ ተገሊፁ። ዛጊድ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተፈፀመ ደማዊ መጥቃዕቲ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። እቶም ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ስግር ዶብ ማሊ ከም ዝሃደሙ ፀብፃባት ሓቢሮም። ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኒጀር፡ ኣብ ምዕራባዊ ቲላበሪ 55 ኪሎ ሜትር ርሒቃ ኣብ ትርከብ ቁሸት፡ ብከንቲባ ባኒባንጉ ዝምራሕ ልኡኽ፡ “ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ሸፋቱ” ድብያዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀሞ ገሊፁ። ጅሃዳውያን ሓይልታት፡ ምስ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ናይጀርያን ኣብ ዘዋስኑ ዶባት ኒጀር ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከም ዝፍፅሙ’ዩ ዝግለፅ። ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር፡ ልዕሊ 500 ሰባት ተቐቲሎም። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብጥርጡራት ጅሃዳውያን፡ ኣብ ሰለስተ ቁሸታት ብዝተፈፀመ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ፡ 137 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይዝከር። ኒጀር፡ 25 ወታሃደራት ኒጀር ብዕጡቓት ተቐቲሎም ኣብ ኒጀር፡ ኣብ ሓደ ወታሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 25 ወታሃደራት መንግስቲ ተቐቲሎም። እቲ ኣብቲ ምስ ማሊ ዝዳወብ ምዕራባዊ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብጂሃዳውያን ዕጡቓት ተኻይዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። ኣብቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 60 ካብቶም ዕጡቓት ብሰራዊት እታ ሃገርን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብዝገበርዎ ናይ ኣየር መጥቃዕቲን ከም ዝተቐትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ 71 ወታሃደራት መንግስቲ በቶም ንርእሶም ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ተቐቲሎም'ዮም። ኒጀርን፡ ካልኦት መዳውብቲ ሃገራትን በቶም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ጉጅለታት ክጥቃዓ ምጽንሐን ይፍለጥ። እቲ ሰሜን ካብ ርእሰከተማ ኒያሚ ኣስታት 209 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ እታ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወታሃደራታ ኣብቲ ዞባ ኣዋፊራ ዘላ ፈረንሳ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ወታሃደራዊ ስሪሒታት ንምግምጋም ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ናይቲ ዞባ ኣብ ዝጸዋዓትሉ እዋን'ዩ ተፈጺሙ ዘሎ። ኒጀር፡ ኣባል ናይቲ ብሳሕል ጉጅለ-5 ዝፍለጥ፡ ንመጥቃዕትታት ዕጡቓት ክከላኸል መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ 2014 ዝቖምዎ ወታሃደራዊ ኪዳን እያ። እቲ ብፈረንሳ ዝድገፍ ኪዳን፡ ንቡርኪናፋሶ፡ ማሊ፡ ኒጀር፡ ሞሪታንያን ጫድን ዝሓቖፈ'ዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ኣብቲ ዞባ ብኣሽሓት ወታሃደራት ዝቐመ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣዋፊሩ ይርከብ። እንተኾነ ግን፡ እቶም 4500 ወታሃደራት ፈረንሳን፡ ልዕሊ 14000 ኣባላት ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራትን ነቶም መጥቃዕትታቶም ዘዛይዱ ዘለዉ ዕጡቓት ክገትእዎም ኣይከኣሉን። ምስ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳን፡ ዳዕሽን ርክብ ዘለዎም ጉጅለታት ኣብ ኒጀር ከም ዝነጥፉ ይግለጽ። እቲ ኣብ ታሕሳስ፡ ኣብ ኢን-ኣተስ ዝተባህለ ቦታ ዝተፈመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ዝተገብሩ መጥቃዕትታት እቲ ዝኸፍአ'ዩ። ኣብ 2017 እውን ቶንጎ ቶንጎ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ከባቢ ዶብ ማሊ እትርከብ ቁሸት፡ 4 ወታሃደራት ኣመሪካን፡ 5 ወታሃደራት መንግስቲ ኒጀርን ብጂሃዳውያን ተቐቲሎም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ ጐንደር ዝተላዕለ ጐንጺ ስዒቡ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ካልኦት ከባቢታት መጥቃዕቲ ወሪዱ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጐንደር ብዝተላዕለ ግጭት፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝርከባ ትካላት ሃይማኖት ዕንወት ከም ዝወረደ ተገሊጹ። ትማሊ ኣብ ከተማ ደባርቅ ክልተ መሳጊድ ከም ዝተቓጸሉን ብውሑድ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን ሓላፊ ክፍሊ ፍልጠትን መስጊድን ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ፡ ሓጂ ዑስማን ዑመር ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ፡ ዞባ ስልጤ ከተማ ወራቤ፡ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን ዕንወት ከም ዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ሃዲያን ስልጤን ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ሰባት'ውን ከም ዝተሃረሙ እቲ መግለጺ የመልክት። ሓላፊ ክፍሊ ፍልጠትን መስጊድን ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ኣምሓራ ሓጂ ዑስማን ዑመር፡ ኣብታ ከተማ ብውሑድ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱን መሳጊድ ከም ዝተቓጸሉን ሓቢሩ። መግለጺ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ስብከት ሃዲያን ስልጤን፡ "ህዝበ ሙስሊም ካብ ሰላት ክወጽኡ እንከለው፡ ጭርሖ ብምሓዝ፡ ጉልላት ቤተ ክርስቲያን፡ ቅዱስ ሩፋኤል ወራቤ ወሪዱ ንዋያት ቅዱሳት ተቓጺሎም። እቲ ቤተክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ፈሪሱ፣ ኣገልገልትናን ዋርድያታትን ተቀጥቂጦም፡" ይብል። ብተወሳኺ፡ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብሪኤል ሳንኩራ፡ "ብኣኽረርቲ ሓይልታት" ምሉእ ብምሉእ ብሓቂ ነዲዱ ዓንዩ ክብል እቲ ቤተ ክህነት ይገልጽ። ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና ከምኡ'ውን ኣብያተ ክርስትያን፡ "ኣብ ውሽጢ ከቢድ ጸቕጢ ስለ ዝርከቡ ሓገዝን ሓለዋን ይገበሮም፡" ክብል ይሓትት። ምስቲ ዝበጽሐ ዕንወት ብዝተሓሓዝ ተሓተቲ ዝዀኑ ኣካላት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም ክብል'ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቲቱ ኣሎ። መንግስቲ ፌደራል፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ከተማ ጐንደር ዝተወልዐ ግጭት፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝተጠርጠሩ 280 ውልቀሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝወዓሉ ኣፍሊጡ'ዩ። ትማሊ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ፌደራል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ጐንደር ዝተፈጥረ ግጭት ዝተሳተፉን ነቲ ህውከት ኣብ ምጕህሃር ተንቀሳቒሶም ዝተባህሉን 280 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ክኣትው ተገይሩ 'ሎ ኢሉ። ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ፌደራል ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ከተማ ጐንደር ኣብ መንጐ እስላምን ክርስትያንን ዝተፈጥረ ግጭት ምኽንያት ብምግባር፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት 'ታ ሃገር፡ ብስም ሃይማኖት ህውከትን ዕግርግርን ክፈጥሩ ዝተንቀሳቐሱ ኣካላት ስጕምቲ ይውሰደሎም ምህላው ኣፍሊጡ'ሎ። እዚ በቲ ሓይሊ ዕማም ዝተዋህበ መግለጺ፡ ነቲ ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ፡ [ዶ/ር] ይልቃል ከፋለ፡ "ነዚ ክልል ማእከል ክርፍስ ንምግባር፡ ተግባራት ሽበራ ኣብ ልዕሊ ዝፈጥሩ ዘለው ኣካላት ዘየናሕሲ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና" ዝሰዓበ መግለጺ እዩ። እቲ ርእሰ ምምሕዳር፡ ትማሊ ሓሙስ ብመገዲ ቴሌቪዥን እቲ ክልል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ነቲ ዝጋጠመ ግጭት ድሕሪ ምኹናን፡ ተሓተትቲ ዝዀኑ ኵሎም ንፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ቃል ኣትዩ'ሎ። ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስላማዊ ጉዳያት ክልል ኣምሓራ፡ ኣብዚ ግጭት 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ምግላጹ ይዝከር። ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተጨውዮም ዝተወስዱ ሰባት ከም ዘለው ተገሊጹ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቑጽሮም ዘይተፈልጡ ሰባት ብዕጡቓት ከም ዝተወስዱ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ። ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ጣብያ ቆሌ ብዝሓለፈ ቐዳም ዕጡቓት ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ፡ ቑጽሪ ምውታት ዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣሃዛት ክወጽኡ እንከለው ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ኣሽሓት ከምዝተመዛበሉን ተገሊጹ እዩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ከም ዝፈጸሞ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ውጻእ መዓት ክገልጹ እንከለው፡ መንግስትን እቲ ዕጡቕ ጉጅለን ድማ ንሓድሕዶም ይካሰሱ። እቲ ሰራዊት’ውን ዘይሻራዊ ምጽራይ ክካየድ ሓቲቱ። ኮምሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቸለት፡ ነቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተቐትልሉ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ ዙርያ እቲ መጥቃዕቲ ቅልጡፍን ዘይሻራውን መርመራ ክገብሩ ሓቲታ። እቲ ኮሚሽን፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ መሰኻኽር ዓይኒ ከም ዘዘራረበ ብምግላጽ እቶም ዕጡቓት ብርክት ዝበሉ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘቃጸሉን ብውሑድ ክልተ ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉን ሓቢሩ። “ኣብ ቶሌ ብዝተፈጸመ ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለትን ነበርቲ ብኣስገዳድ ምምዝባል ሰንቢደ’የ” ዝበለት ባቸለት፡ “ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ መርመራ ገይሮም ግዳያት እቲ መጥቃዕትን ስድራቤትን ነቲ ሓቂ ክፈልጡ፣ ፍትሕን ካሕሳን ክረኽቡን ተሓታትነት ክረጋግጽን ይሓትት” ኢላ።በቶም ዕጡቓት ተዓጊቶም ዝተወስዱ ሰባት ምህላዎም ኣመልኪታ ድማ እቶም ሰብ መዚ “ኣድላዪ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድ እቶም ዝተዓገቱ ሰባት ናጽነቶም ክረኽቡ” ክገብሩ ጸዊዓ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ጋምቤላ “ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣጻርዩ ንከቕርብ” ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ። ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ባይቶና ክብሮም በርሀ ከምዝተኣሰረ ተገሊጹ ኣባል መሪሕነት ካብተን ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳ ብሄራውያን ውድባት ሓንቲ ናይ ዝኾነት ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ኣቶ ክብሮም በርሀ ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ። ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶና ኣቶ ክብሮም ትማሊ ምሸት ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተኣሰረ እዩ ሓላፊ ኮምሽን ቁጽጽር ባይቶና ኣይተ ዮሴፍ ሃይለስላሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ዘሎ። “ትማሊ ካብ ሰዓት ሓደ ክሳብ ክልተ ናይ ምሸት ኣቢሉ ይኸውን፡ ናይ ሲቪል ክዳን ዝተኸደኑ ሰባት ንበዓልቲ ቤቱ ሒዞምዋ። ንምንታይ ተታሒዘ ምስበለቶም ንበዓል ገዛኺ ኣምጽእዮ ኢሎምዋ። ንሳ ኣዶ ሰለስተ ቆልዑ እውን ስለዝኾነት፡ ንሱ (ክብሮም) ምሸት ከይዱ፡ ኣሲሮምዎ ማለት እዩ” ኢሉ። ኣቶ ክብሮም፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት “ምጽኣት” እትብል ምስ ኲናት ትግራይ ምትእስሳር ከምዘለዋ ዝተገለጸት መጽሓፍ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣመሪቑ ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪቡ ነይሩ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ግስጋሰ ይገብሩሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣዋጅ ብምእዋጅ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተጋሩ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲን ምንግልታዕን ይፍጸም ኣሎ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣይተ ክብሮም በርሀ እውን ንኣዋርሕ ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። እቲ ፖለቲከኛን ጸሓፍን ትማሊ ምሸት ደዊሉ፡ በዓልቲ ቤቱ ብኣባላት ጸጥታ ከምዝተትሓዘትን ናብ እንዳ ፖሊስ ከምዝተጸወዐን ከምዝሓበሮ ዝገልጽ ኣቶ ዮሴፍ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ክፍለ ከተማ ቃሊቲ ተኣሲሩ ከምዘሎ ጠቒሱ። “ምሸት ደዊሉ እዩ ነጊሩኒ። ፖሊስ መጺኦም ይወስዱኒ ኣለዉ። ንበዓልቲ ቤተይ ሒዞምዋ ስለዘለዉ ክኣስሩኒ እዮም ደልዮም። ስለዚ ክእሰር ይኸይድ ኣለኹ ኢሉኒ።” ብተወሳኺ ኣቶ ክብሮም ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ከምዘይተፈለጠን ዛጊድ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበን ብምግላጽ፡ በዓልቲ ቤቱ ግና እቲ ፖለቲከኛ ምስቀረበ ከምዝተፈተሐት ኣይተ ዮሴፍ ሃይለስላሰ ተዛሪቡ። “ንሕና እንብሎን ንሳቶም ዝብልዎን ምኽንያት ዝተፈላለየ እዩ። ንሕና መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምእሳር፣ ምግፋዕን ምብዳልን ስራሕቲ እዩ ኢና እንብል። ንሳቶም ዝብልዎ ግና ገና ክንሰምዕ። በዓልቲ ቤቱ ግን ንጉሆ ረኺበያ እየ” ኢሉ። ማእሰርቲ እቲ ፖለቲከኛን ጸሓፍን ዝምልከት ካብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብስልኪ መብርሂ ንምርካብ ፈቲንና ንግዚኡ ክሰምር ኣይክኣለን። ናጽነት ሃይማኖት፡ ሰብመዚ ኤርትራ ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ኣሲሮም ኣብ ኤርትራ ብውሕዱ 17 ኣመንቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝተኣስሩ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ኣመንቲ ኣብ ሓደ ቦታ፡ "መንፈሳዊ ኣኼባ" እናካየዱ እንከለዉ'ዮም ብኣባላት ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ናብቲ ካብ ርእሰከተማ ኣስመራ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ከምዝተወስዱ ኸኣ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም። እቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ብዙሓት ኣባላት ናይተን ዝተኣገዳ ኣብያተክርስትያናት ክእሰርሉ ዝጸንሑ ምዃኑ ይፍለጥ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2002 ሓያሎ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ድሕሪ ምዕጻወን፡ ንዝበዝሑ ካብ መራሕተን ብዘይፍርዲ ብምእሳር ንሰዓብተን ከሳድድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ክሳዕ ሕጂ ንኣስታት 20 ዓመታት ብዘይፍርዲ ዝተኣስሩ ከምዘለዉ'ውን ይፍለጥ። እቶም እሱራት ፍሉጣት ሓካይም ዝነበሩ ኣቕሽሽቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን'ውን ይርከብዎም። ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ፡ ዶ/ር ተኽለኣብ መንግስትኣብን፡ ዶ/ር ክፍሉ ገብረመስቀል፡ ፓስተር ኪዳነ ወልዱን ሃይለ ናይእዝጊን ገለ ካብቶም ፍሉጣት ካብ 2004 ኣትሒዞም ኣብ ቀይዲ ምስኣተዉ ዘይተፈትሑ እዮም። ኣብ ዝተፋለለየ እዋናት ዝፍትሑ'ኳ እንተሃለዉ፡ ማእሰርቲ ስለዘየቋረጸ እቲ ኵነታት ለውጢ ከምዘይብሉ ኣብ ስደት ዝርከቡ ገለ መራሕትን ሰዓብትን 'ታ ቤተክርስትያን ይዛረቡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ተኸታታሊ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ "ኤርትራ፡ ዛጊት ነቲ ኣብ ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ሰባዊ መሰላት ዝሕለወሉ ትካላውን ሕጋውን መሰረት ኣየንበረትን" ክብል ንኵነታት ኤርትራ ገሊጽዎ ነይሩ። ቅዋም፡ ናጻ ፍርዳዊ ኣካልን ሓጋጊ ኣካልን ዘይምህላዎም፡ ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ-ሕጊ ከም ዘየለ ዘርኢ ምዃኑ'ውን እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ሰባዊ መሰላት መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ጠቒሱ። ካህን ንምዃን እትቃለስ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ኣገልጋሊት ኣን ትሮፒያኖ ንዝመጽእ ጽንኩር እዋን ንምድላው ክዳውንታ ተዳልው ኣላ። ብውቁብ መልክዕ ዝተጠልፈ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካውያን ካህናት ዝኽደንዎ ጻዕዳ ክዳውንታ ተውጽእ ኣላ። ኣብ መንደቓ ኣብ ዝርከብ ካላንደር፡ ጽባሕ "መዓልቲ ሽመት" ምዃኑ ብድሙቕ ቀይሕ ብርዒ ተጻሒፉ ኣሎ። ንሳ ግን ኣብ እትነብረሉ ከተማ ኣልቡከርኪ ኒው ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ንዝካየድ ኣገልግሎት ሓላዊ ጸጥታ ክትቈጽር እውን ብተሌፎን ትዘራረብ ኣላ - ጐንጺ ክህሉ ከምዝኽእል ስለእትግምት። "ወጥሪ ዝመልኦ ጉዳይ'ዩ፡ ኵሉ ሰብ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ክህነት ክጽወዓ ከምዝኽእላ ኣብ ግምት ንምእታው’ውን ክፉት ኣይኰነን" ትብል። ትሮፒያኖ፡ ኣካላዊ ተጻብኦ ጥራይ ኣይኰነን ዘገድሳ። ካቶሊካዊት ካህን ክትከውን ዘለዋ ተስፋ ካብ እትዛረብ ጀሚራ፡ ኣብ ኢንተርነት ጸርፍታት ከምዘጋጠማ ትዛረብ። ትሮፒያኖ ሓንቲ ካብተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ልዕሊ 250 ደቂ ኣንስትዮ ኰይና፡ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሕግታት ብምጽራር፡ ካህናት ንምዃን ኣብ ዘይተፈቕደ ኣገልግሎት ዝሳተፋ ዘለዋ ጕጅለ ሮማዊት ካቶሊካዊት ደቂ ኣንስትዮ ካህናት እያ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደቂ ኣንስትዮ ካህናት ክዀና ኣይትፈቅድን እያ። ብሓቂ ድማ፡ ቫቲካን ኣብ ቀኖና ሕጊ ከም ከቢድ ገበን ዝቕጻዕ ገበን ገይራ እያ ትርእዮ። እዚ ማለት እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 'ስብከት' ምስ ተሳተፋ፡ ቁርባን ሓዊሱ ምስጢራት ክቕበላ ወይ ስነስርዓት ቀብሪ - ቤተክርስትያን ከፈጽማ ኣይክእላን እየን። "ካህን ኰይነን ነዊሕ እዋን ዘይከኣልኩሉ ምኽንያት፡ ምስጓገይ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲወከፍ መዓልቲ ቅዳሴ የካይድ ነይረ። ኣብ ሓደ ሰበኻ እየ ዝሰርሕ ነይረ፡ ምሉእ ህይወተይ ኣብ ቤተክርስትያን እዩ ነይሩ። ስለዚ ነዚ ክገድፎ፡ ብሓቂ ክሓስቦ'ኳ ኣይከኣልኩን።" ትሮፔያኖ ውፍይቲ ካቶሊክ ኰይና፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ምምራሕ ናይ ሮክ ባንድን ካልኦ ስርሓንት እያ ናብዚ ኣትያ። "እዚ ክበሃል ክሰምዕ ጥራይ እየ ዝደሊ። ‘ንስኺ ካህነይ ኢኺ፡ ካህን ኢኺ’። በቃ ካህን ክኸውን እየ ዝደሊ" ዝብል ጻውዒት ክህነት ተሰሚዕዋ። ከም ጓል ኣንስተይቲ ዝተኸፍተላ እንኮ ኣማራጺ ንቤተክርስትያን ኣብ ካልእ ተራ - ከም መነኮስ ወይ ከም ዓለማዊት ኣበርካቲት ሃገረ ስብከት ከተገልግል እያ ነይራ። ወይ ድማ ካብ ካቶሊክነት ምሉእ ብምሉእ ርሒቓ፡ ናብ ካልእ ከም ካህን ዝቕበላኣ ክርስትያናዊ እምነት ክትከይድ ትግደድ። ድሕሪ ናይ ዓመታት ውልቃዊ ምስትውዓል፡ ድሩትነት ሕግታት ቫቲካን ነዚ ጻውዒት ክትነብሮ ከምዘይፈቕደላ ተረዲኣ፡ "እዚ ዝቕጽል ስጕምቲ ምዃኑ ምስ ተረዳእኩ፡ እቲ ምስጓግ ኣካል ናይቲ ጕዕዞ ጥራይ እዩ ነይሩ።" ትሮፒያኖን ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰላ ደቂ ኣንስትዮን እውን፡ ነቲ እታ ቤተክርስትያን እትኽተሎ ጾታዊነት፡ ከትርፋ ጐስጓስ ከካይዳ ከም ምርጫ ሒዘናኦ ኣለዋ። ካብ ተሃድሶ ኣይሁድነት ክሳብ ብዙሓት ፕሮቴስታንት ዲኖሚንየናትን ካልኦት እምነታት ንደቂ ኣንስትዮ ንምቕባእ ክፉታት እየን። ገና ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እቲ ደቂ ኣንስትዮ ክህነት ንኸይረኽባ ዝግበር እገዳ፡ ንገለ ካብቲ ክርስቶስ ን12 ሃዋርያቱ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ከም ዝመረጾም ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መዛግብቲ ዝተመርኮሰ እዩ፤ ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ ክትመስል ቀጺላ ኣላ። ንትሮፔያኖ፡ ጽልዋ ናይዚ ሕጊ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ምንቅስቓስ ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 2002 እዩ ተሰማዕነት ረኺቡ። ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቘፈት ጕጅለ ኣብ መርከብ ኣብ ሩባ ዳኑብ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ምስ ዝዀነ ቤተክርስቲያናዊ ዞባ ግርጭት ከይፍጠር ኣብ ዘይሕጋዊ ናይ ምቕባል ኣገልግሎት ተሳቲፈን። ቅድሚ ሕጂ ግን ምስጢራዊ ‘ስብከት’ ከምዝተገብረ ጸብጻባት ነይሩ። ንኣብነት ሉድሚላ ጃቫሮቫ፡ ኣብ እዋን ኮሚኒስታዊ ምሕደራ ቸኮዝሎቫክያ፡ ኣብ ሰብዓታት ብሓደ ሮማዊ ካቶሊካዊ ጳጳስ ኣብ ዝምራሕ ኣገልግሎት ክህነት ተሳቲፋ። ምንቅስቓስ ምቕባል ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኡ ጕጅለ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ግን ውክልናኡ የስፍሕ ኣሎ። ኮሎምብያዊት ኦልጋ ሉቺያ ኣልቫረዝ ቤንጁሜያ ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ‘ካህን’ ኰይና፡ ልዕሊ 40% ካብ 1.3 ቢልዮን ዓለማዊ ካቶሊካዊ ህዝቢ ዘለዋ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዕርዲ እያ። ኣብ 2010 ዘካየደቶ ስነ-ስርዓት ምስጢር እኳ እንተነበረ፡ ካብ ከባብያዊ ስርዓተ-መሰረት፡ ቤተ-ክርስቲያን ደገፍ ከም ዝረኸበት ትዛረብ፡ "ሓደ ጳጳስ ነይሩ... ሓደ ሮማዊ ካቶሊክ ምስ ቫቲካን ኣብ ጸገም ከየእትዎ ስሙ ዘይንረቝሖ።" "ሰባት ሃንደበት ክጸርፉኒ ወይ ኣብ መሰውኢ ገለ ነገራት ከይድርብዩለይ ኣዝየ ፈሪሐ ነይረ፤ ኣብዚ ኣነ ዝነብረሉ ዘለኹ ኣዝዩ ዓቃባዊ ሕብረተሰብ እዩ።" "እንተዀነ፡ ብግልባጡ ካብ ሰባት ዝረኸብክዎ ደገፍ ዓቢ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ተልእዀይ ክቕጽለሉ ኣደልዲሉኒ" ትብል ኣልቫረዝ። ሕጂ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ብቫቲካን ኣፍልጦ ዘይረኸበ ማሕበር ካህናት ደቂ ኣንስትዮ ሮማዊት ካቶሊክ (ARCWP) ጳጳስ ኰይና ደይባ ኣላ። ኣልቫረ፡ ካብ ኣዝያ ውፍይቲ ካቶሊካዊት ስድራቤት እያ፣ ግን ደጋፊት ናይታ መነኮስ ዝነበረት ኣደኣ እያ ነይራ። እቲ ከም ሓደ ህያብ እትርእዮ ካህን ሓዋ ኸኣ ስቕታ መሪጹ። ኣልቫረዝ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ክህነት ዘግልል ነገር ከምዘየለ ትምጕት። "ሕጊ ናይ ሰብ እዩ፡ ሕጊ ቤተክርስትያን እዩ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ድማ ምኽባር ኣየድልዮን እዩ።" እዚ ድማ ብጻውዒት ዘተን ሰልፍታትን ኣቢሉ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ክህነት ንኽኣትዋ ኣብ ቫቲካን ዝጕስጉስ ጕጅለ ጉባኤ ቅብኣ ደቂ ኣንስትዮ (WOC) ዝቕበሎ ስምዒት እዩ። ፈጻሚት ዳይረክተር ኬት ማክኤልዊ፡ እቲ ዝፈትዎ ስራሕ 'ሚኒስትሪ ቍጥዐ' ዝብልዎ ምዃኑ ትዛረብ - እዚ ድማ ደገፍቲ ኣብ እዋን ሰበኻ፡ ትኪ ካብ ምፍናው ክሳብ ሞተር ሳይክል ምጥቃም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብከተማ ኣቢሉ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ኣብ ጽርግያ ምድቃስ ኵሉ ክገብሩ ዝጠልብ እዩ። በዚ ተግባራተን ድማ ብፖሊስ ቫቲካን ተኣሲረን ኣለዋ። "ምስዘን ደቂኣንስትዮ ኣብ ጸዋዕታአን ንኸይድ፡ ቫቲካን ድማ ማዕጾኣ ከፊታ ብሓቂ ንሓጢኣታ ጾታዊ ፍልልይ ክትገጥም ይጽበያ ኣለዋ" ትብል ማክኤልዊ። "እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ምጽባይ ዘይከኣል እዩ፤ እቲ ጻውዒት ኣዝዩ ዓው ዝበለን ካብ ኣምላኽ ዝወረደ ኣዝዩ ንጹርን ስለዝዀነ፡ ብዘይካ 'ዘይፍትሓዊ ሕጊ' ምጥሓስ ካልእ ኣማራጺ የብለንን።" ቤተክርስቲያን ነዚ ስብከት እዚ ከም ዘይሕጋዊ ጥራይ ዘይኮነስ ከም ገበን ገይራ እያ እትርእዮ። ዛንታ ዳኑብ ሸውዓተ ንህዝቢ ምስ ተዘርግሐ፡ ካርዲናል ጆሴፍ ራትዚንገር፡ ደሓር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝዀነ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ናይ ንስሓ ምልክት ስለዘይሃባ፡ "ብዝፈጸማኦ ዝኸበደ ገበን፡ ናብ ስደት ከምዝተባረራ" ኣዊጁ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ካህን ኰይነን ኣገልጊላ ዘይትፈልጥ ጓል ኣንስተይቲ ከምዘየለዉ ገሊጾም። ኣብ 2016 እዚ ክቕየር ዝኽእል ዝዀነ ይዅን ዕድል ምስ ተሓተተ፡ ኣብ 1994 ካብ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተጻሕፈ ሰነድ መወከሲ ብምግባር፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሽመት ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት "ማዕጾ ተዓጽዩ" ዝብል ጽሑፍ ኣቕሪቡ። ሓፍትና ናታሊ ቤክዋርት፡ ኣብ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኰይና ትሰርሕ፡ ብድሕረኣ ስእሊ ንሳን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስን ሒዛ እያ ትረአ። ንሳ ነቲ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ካህናት ዘሎ መርገጺ ብቐሊሉ ትገልጾ። "ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብዚ ህሞት እዚ፡ ብወግዓዊ ኣረኣእያ፡ ክፉት ሕቶ ኣይኰነን።" "ናብ ክህነት ዝተጸዋዕካ ኰይኑ ክስምዓካ ጥራይ ኣይኰነን፡ ኵሉ ግዜ ቤተክርስትያን ካህን ክትከውን ክትጽውዓካ ምዃና ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። ስለዚ ውልቃዊ ስምዒትካ ወይ ውሳነኻ እኹል ኣይኰነን" ትብል እታ ፈረንሳዊት መነኮስ። ሲስተር ቤክዋርት ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሕቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣገደስቲ ላዕለዎት ጽፍሕታት ዝተዋህበን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ እያ። መርገጺኣ ኣብ ቫቲካን ናይ መጀመርታ መሰል ድምጺ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ይገብራ። ንሳ፡ ለውጢ ይመጽእ ከምዘሎ እያ ትኣምን። እዚ ድማ ዝያዳ ደቂ ኣንስትዮ ናይ መሪሕነት ተራ ክወስዳ ዘኽእለን ኰይኑ፡ ግና ገና "ካብ ምሻም ዝተሓተ" ተራታት እዩ። "ኣብ ልዕሊ ቤተክርስትያን ዘለና ኣረኣእያ ከነስፍሕ ዘለና እመስለኒ። ደቂ ኣንስትዮ ንቤተክርስትያን ዘገልግላሉ ብዙሕን ብዙሕን መንገድታት ኣሎ" ትብል ሲስተር ቤክዋርት። ለውጢ፡ ፈጺሙ ቀሊል ከምዘይኰነን፡ ኵሉ ግዜ ድማ "ፍርሕን ተቓውሞን" ከምዘጋጥም'ውን ትሕብር። ኣብቲ ጸጥታ ዝሰፈኖ ካቴድራል፡ ኣን ትሮፔያኖ ናብ ቅድስቲ መንበር ቀሪባ ኣብ ግንባር እቲ ጳጳሳ ደው ኢላ፡ "እነሆ ኣነ ድሉውቲ እየ" ኢላ ብስምዒት ተመሊኣ ትእውጅ። ን14 ዓመት ዝተጸበየቶ መዓልቲ እዩ። እቲ ስነ-ስርዓት 'ስብከት' ምስቲ ካቶሊካውያን ካህናት ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ተመሳሳሊ ቅዳሰ ዝኽተል እዩ - እዚ ድማ ምንባር ኢድን ጸሎተ ቅድስናን ይሕውስ። ኣብቲ ስነስርዓት ጳጳስ ብሪጅት ሜሪ ሚሃን፡ ንትሮፒያኖ ቅልጽማ ሓፍ ኣቢሉ፡ ናብቶም ዘጣቕዑ ዝነበሩ ጉባኤ ኣቕሪብዎ። እታ ሓዳስ ካህን ኰይና 'ዝተሸመት' ኣን፡ ጽቡቕ ከም ዝተሰምዓ ገሊጻ። ትሮፔያኖ፡ ኣካል ናይዚ ዝተፈለየ ሚኒስትሪ ኣገልግሎት ብምዃና ትሕበን፣ ዝያዳ ተሳትፎን ስርዓተ-መሰረት ዘስዕብ እዩ። ከምኡ’ውን ብባህሊ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ሕቶ ንዝኣትዉ ጕጅለታት ክፉት ክኸውን ዝገብር እዩ ኢላ ትኣምን። "ድሕሪ ሕጂ ካብ ቁርባን ዝግለል ሰብ የለን። ተፋቲሕካ ኣይተፋቲሕካ- ኣገዳሲ ኣይኰነን። ኵሉ ሰብ ቅቡል እዩ፡ ሕደ-ጾታውያን ዝዀኑ ሰባት'ውን ዕድል ኣለዎም" ትብል። ኦልጋሉቺያ ኣልቫረዝ እውን፡ ርክብ ዓለማውያን ካቶሊካውያን ምስ ወከልቲ መሰውኢታቶም ዳግማይ ንምግላጽ፡ ንደቂ ኣንስትዮ እዚ ሽመት ክህነት ከም ዕድል ገይራ እያ ትርእዮ። በዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት፡ ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ዕድል ኣሎ ትብል እታ ኮሎምብያዊት ጓል ኣንስተይቲ 'ጳጳስ'። ንሳ ከምኡ ዝበለት፡ ኣዝዩ ሃሳዪ ዝበለቶ ኣብ ካህናት ዝነበረ እምነት፡ መንፈሳውን ጾታውን ዓመጽን ዕንደራታትን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። "ኣብ ምድሪ ብሕታዊ ወከልቲ ኣምላኽ ንሕና ኢና ክብሉ ከመይ ጌሮም? ሕፍረት የብሎምን" ትብል ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝቐርብ ዘሎ ተኸታታሊ ክስታት ጾታዊ ግህሰት። ፖፕ ፍራንሲስ፡ ነቶም ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣቕሽሽቲ ይቕሬታ ​​ሓቲቶም፡ ነቲ "ከቢድ ገበናት" ኣብ ምሕባእ "ተሓባባራ" ዝበልዋ ቤተክርስትያን ኰኒኖም። ኣልቫረዝን፡ ሚኒስትሪ ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ከም መልሲ እያ እትርእዮ። ጓል 80 ዓመት ኰይና፡ ነተን ካህናት ክዀና ተስፋ ዝገብራ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምምሃር ግዜኣ እያ ተሕልፎ። "ካልእ ገጽ ክህነት ምርኣይ ክቕልጥፍ ኣለዎ። ታሪኽ ባዕሉ ክደጋግም ክንገድፎ ኣይንኽእልን ኢና።" ምንቅስቓስ ምቕባእ ደቂ ኣንስትዮ፡ ደገፍ ዓለማውያን ካቶሊካውያን ከም ዝረኽባ ርእሰ ተኣማንነት ስለዘለወን፡ ብዛዕባ እቲ እገዳ ክፉት ክትዕ ክካየድ ትደሊ። ኣብታ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዝበዝሐ ህዝቢ ካቶሊክ ዝነብረላ ሃገር ብራዚል፡ ዳርጋ ሸሞንተ ካብ ዓሰርተ ካቶሊካውያን ንደቂ ኣንስትዮ ካህናት ከም ዝድግፉ ገሊጾም። ኣብ ኣሜሪካ እቲ ኣሃዝ ካብ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝዛይድ ከምዝነበረ ኣብ 2014 ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር። እንተዀነ፡ ኣብታ ቍጽሩ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ካቶሊካዊ ህዝቢ ዘለዋ ኣህጕር ኣፍሪቃ፡ ምንቅስቓስ ምቕባእ ክህነት ደቂ ኣንስትዮ ገና ኣይተበገሰን። ትሮፒያኖ፡ ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ተኽእሎታት ክዝረብ ከሎ ምዃኑ፡ ንባዕሎም ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ልዝብ ክኸፍቱ ጻውዒት ተቕርብ። ደቂ ኣንስትዮ ናብ ክህነት ንኽሽየማ ዝግበር ቃልሲ ገና ነዊሕ ክኸውን ከምዝኽእል እትግምት ትሮፔያኖ፡ ንመጻኢ እታ ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ፍጻመ ከምዝኾነ'ውን ትኣምን። "ቤተክርስትያን ማዕረ ተሳትፎ እንተዘይሃልዩ ተልእኾኣ ክትፍጽም ኣይትኽእልን እያ። ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ'ዚ ኣገዳሲ ነገር የለን።" ዋዕሮ፡ ተበግሶ ህንጸትን ምዕባይ ግንዛበን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ዛንታ እተንብቢ ዘለኺ ጓል ኣንስተይቲ እንተኾይንኪ፡ እስከ ንተኣከብ እሞ ብዛዕባ ነብስናን ሽግራትናን ንመያየጥ፣ ንነብሰና ሃኒጽና ንሕብረተሰብና ንለውጥ ንእትብል 'ዋዕሮ' ጓለንስተይቲ ተላሊኽያ'ዶ ኣለኺ? "እታ 'ዋዕሮ' እትበሃል ዘላ እንታይ ዝገበረት እያ?" "እታ 'ዋዕሮ' እትበሃል ዘላ እንታይ ዝገበረት እያ?" እንተይልኪ ድማ፡ ማእለያ ንዘይብሉ ግድላት ህይወት ስደት በዲሃ፡ ሓያልን ተወዳዳሪትን ጓለንስተይቲ ንኽትህነጽ ብዝከኣላ እትጽዕር ናይ ደቀንስትዮ ኔትዎርክ እያ። እዛ ናይ ዋዕሮ ኔት ዎርክ፡ ኣብዚ ደቂ ሰባት ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተረሓሒቖምሉ ዘለው እዋን ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒማ ርእሰ ተኣማንነት ጓለንስትይቲ ክትሃንጽ፣ ስነ ኣእምሮኣዊ፣ ኣካላውን ጥዕናውን መዳያት ክትዕቅብ፣ ደቀንስትዮ ትምህርትን ናይ ስራሕ ዕድላት ንኽረኽባ፣ መርበባተን ንከስፍሓን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ንኽመልካን እትሕግዝ ጉጅለ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ'ያ። ዋዕሮ፡ ኣብ ውሽጣ ክኢላታት ስነ ልቦና፣ ሕክምና፣ ሚዲያ፣ ትምህርትን ቴክኖሎጅን ካልእን ዝሓቖፈት ኮይና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ህይወት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ንርእሰን ካብ ምፍላጥ ጀሚረን ዝገጥመን ዘቤታውን ግዳማውን ጸገማት ዝፍትሓሉ ግንዛበ ክተስርጽ ትጽዕር። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ሽልማት 'ኣፍሪካን ሚዲያ ኣይከን' ዝወሰደት መስራቲት ደስታ ቲቪ፡ ሜሪ ማግደላይን ደበሳይ መስራቲት ዋዕሮ ኮይና፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ከመይ ኢላ ዝበለጸት ናይ ባዕላ [The beset version of herself] ክትኸውን ክሕግዛ ይኽእል ዝብል ባህጊ ሒዛ ነዚ ኔትዎርክ ኣበጊሳቶ። ሜሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ መድረኻት ዓለም ዝተሳፈት፣ ንብዙሓት ኣብ ስደት ዝርከቡ መናእሰይ ብምትብባዕን ኣብ ሕብረተሰቦም ብሉጽ ኣበርክቶ ብምግባርን ካብ ዝስመዩ መንእሰያት እያ እኳ እንተተባህለት እቲ ጉዕዞ ግን ቀሊል ከም ዘይነበረ እያ ትዛረብ። "ኣብ ሕሉፍ፡ [ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ] ካብ ነብሰይ ጀሚርካ ኣብ ኣኼባ ተዓዲመ ክኸይድ እንከለኹ፡ ኩሉ ግዜ ንነብሰይ ጸላምን ዝነኣሰት ጓል ኣንስተይቲ ኮይነ እረኽባ ነይረ። ካልኦት ከማይ ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ትምህርቲ ወዲአን ይወጽኣ እሞ እቲ ናይ ስደት ማዕበል ግን ውሒጡ የትርፈን። እዚ ክቕየር ኣለዎ" ትብል። ብፍላይ እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያቱ ካብ ሃገሩን ሕብረተሰቡን ዝርሕቕ ዘሎ ሰብ፡ ናይ ቋንቋ፣ ስራሕን ርጉእ ህይወትን ናይ ምርካብ ኮነ ምስቲ ኣብ ስደት ዝጸንሖ ሕብረተሰብ ናይ ምምስሳል ዓብዪ ጸገማት ስለ ዘጋጥሞ ብፍላይ ደቀንስትዮ ንዝተፈላለዩ ብድሆታት ይቃልዓ። ሜሪ ማግደላይን'ውን ካብቲ ንዓኣ ዘጋጥማ ዝነበረ ሽግራት ተበጊሳ ምስ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን ናይ ዓርሰ ምትሕግጋዝ፣ ህንጸት ዓቕምን ምስራጽ ግንዛበን ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝበለቶ መራኸቢ ክትፈጥር ምድላያ ትዛረብ። "ንዓይ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሕታት ሓሊፋ ዝጸንሐትኒ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣይነበረትን እንተለዋ እውን መራኸቢ ስለ ዘይነበረና ኣይተራኸብናን። ሕጂ'ውን ማእከላዊ ዝኾነ መራኸቢ የለን፤ ስለዚ ኣብ ዋዕሮ ብሓንሳብ ተጠርኒፍና ከመይ ገይርና ዝበለጽና ሰባት ንኸውን እዩ እቲ ሓሳብ" ኢላ። ዋዕሮ፡ ብሸሞንተ መጋቢት 2021 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ክትምስረት እንከላ ኣብዚ እዋን 110 ኣባላት ኣለውኣ። ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ወትሩ ዓርቢ ከኣ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብማንዛ ተመኩሮአን ይወለዋወጣ። ተቐማጢት ኖርወይ መምህርን ኣካያዲት ስራሕ ዋዕሮን ዮዲት ዕቑበ፡ እቲ ጥርናፈ ኣብ ምሕያል ጓል ኣንስተይቲ ከም ዝሰርሕ ተረድእ። ምሕያል ጓል ኣንስተይቲ ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ነብሰ ህንጸት ትኹረት ዝገበረ ኮይኑ ሞራላውን ውሽጣውን ጥዕና ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝሃንጹ ኣርእስታት ማሕበራዊ ህይወት ብምምጻእ ኣብ ሓዳር፣ ስራሕን መሰል ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰሉ ትኹረት ንምግባር ከም ዝጽዕራ ገሊጻ። "ጓል ኣንስተይቲ ንክትዛረብ ቦታ ትደሊ'ያ። ነዚ፡ በቶም ብማንዛ [ኢንተርነት] ኣቢልና ንገብሮም ዘተታት ነብሰ ህንጸት ነካይድ። ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ጓል ኣንስተይቲ ብኸመይ መሰላ ትፈልጥን ንመሰላ ትማጎትን ብቐንዱ እውን ብኸመይ ከተለልዮ ከምእትኽእል ንዛተ" ትብል። ከም ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበለ ሕብረተሰብ ንዝኾነ ኣካል ህይወቱ ዝኾኑ ጸጋታትን ጸገማትን ንምዝርራብ ከም ዑቁብ፣ መርዓን ሓዘንን ዝበሉ ናይ መራኸቢ ኣጋጣሚታት እዩ ዝጥቀም። እቲ ኣብዚ ዘመን እናሰፍሐ ዝመጽአ ኢንተርነትን ኣማራጺታትን ማሕበራዊ ሚዲያን ድማ ነዚኦም እናለወጦምን ምርኻባት እናደረቶምን ብምምጽኡ ዝበዝሕ ክትዓትን ውዳበታትን ኣብ ኢንተርነት ዝተሞርኮሰ ይኸውን ኣሎ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ወትሩ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ናብ ማሕበራዊ መላግቦታት ዋዕሮ እንተኸይድኪ፡ ብዛዕባ ካልኦት ነገራት ንክትሓስቢ ኮነ ሓላፍነት ዝስምዓ ሰብ ንክትኾኒ፡ ኩለ መዳያዊ ጥዕናኺ ክሕሎ ስለ ዘለዎ፡ ንኣመጋግባኺ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ነብስኺ ትሕልውሎም መገዲታት ሓዊሱ ስራሕን ትምህርትን እትረኽብሎም መገዲታት ክጸንሓኪ'ዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ዋዕሮ ዓብዪ ውራየይ እትብሎ ግን ኣብ ዙርያ ዘቤታዊ ዓመጻትን ምልክታቶምን፣ ሰብኣዊ መሰልን ማሕበረሰባዊ ክብርታትን ዘድሃበ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክመጽኣሎም ዝኽእሉ ርእሰ ጉዳያት ኣልዒልካ እሂን ምሂን ምባል'ዩ። "ሓደ ሰብ ትምህርቲ፣ ፍቕራዊ ህይወት ወይ ብዝሒ ገንዘብ ጥራይ ሙሉእ ኣይገብሮን። ነዚ ኢና ኣብ ጥዕናን ማሕበራዊ ርክባትን ዘተኮረ ስራሕቲ ንሰርሕ። እቲ ለውጢ ከኣ ከኣ ድሮ ክንሪኦ ጀሚርና ኣለና፤ ስራሕ፣ ትምህርቲ ከምኡ እውን ጽቡቕ ሓዳር ዝረኸባ ኣለዋ" ትብል ሜሪ። ዋላ'ውን ንመብዛሕትኦም ግድላት ስደት በዲሀን ትምህርተን ዝገብራ፣ ብኣግባቡ ደቀን ዘዕብያን ጽቡቕ ሓዳር ዝመርሓን መርኣያ ክኾና ዝኽእላ ሰብ ሓዳርን ደቀን ንበይነን ከዕብያ ዝመረጻን ደቂ ኣንስትዮ እንተሃለዋ፡ ብዝሒ ዝመጽኣናን እንርእዮን ጉዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ ግን እዚ'ዩ ክብሎ ኣይክእልን" ብምባል እቲ ንኹሉ ሕብረተሰብ ብማዕረ ዝጸልዎ ዘሎ ጸገም ተልዕል። ዮዲት ኣብቲ እትነብረሉ ሃገረ ኖርወይ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ዘጋጠመ ቕትለት ሓንቲ ኤርትራዊት በዓልቲ ሓዳርን ካልእ ዓይነታት ዘቤታዊ ዓመጻት ምህላዎም ገሊጻ። ሰባት ዝተፈላለየ መገዲ ጉዕዞ ስደት ሓሊፎም ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ክበጽሑ እንከለው፡ ነቲ ዝሓለፉዎ ግድላት ዝምጥን መፍትሒ ወይ ሃዋህው ካብ ዘይምጽንሑ ዝኾነ ጸገም እንተጋጥመካ ልብኻ ከፊትካ ከተዕልሎ እትኽእል ሰብ ዘይምህላው ብዙሓት ንጭንቀትን ካልኦት ተዛመድቲ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ከም ዝቃልዑ ሰብ ሞያ ይገልጹ። "ኩሉ ከበድቲ ጸገማት ሓሊፉ'ዩ ኣብዚ ዝበጽሕ። ግን እቲ ሰብ ኣብቲ ማሕበራዊ ህይወት፣ ሓዳር ወይ ርእሰ ተኣማንነት ዝምልከት ጸገማት ከጋጥሞ እንከሎ ክዘራረበሉ ዝኽእል ምእኩል ባይታ ብዘይምንባሩ ጎዲኡና'ዩ። ዝኾነ ሰብ ክኣ ዘለዎ ጸገም ዝምልከት ብፈውሲ ከይሓለፈ ክተርፍ እንከሎ ጸገም ምምጽኡ ኣይተርፍን" ክትብል ዮዲት ተረድእ። ብቐንዱ እቲ ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ናይ ባህሊ ምትሕንፋጽ ድማ ማሕበራዊ ርክባት ደቂ ሰባት ናብ ግጭት ከም ዘምርሕ ከም ዝደፍኡዎ እትዛረብ ዮዲት፡ ስደት ዘምጽኦ ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ንኽልቲኡ ጾታ ብማዕረ ከም ዝጎድኦ ትኣምን። "ንኣብነት ኣብ ዓድና ተራ ጓል ኣንስተይትን ወዲ ተባዕታይን ዝብሃል [ምቕሊ ዕዮ] ኣሎ፤ ኣብዚ ምስ መጻእካ ግን ህይወት ብማዕረ ኢኻ ትገጥሞ። እዚ ከኣ ነቲ ዝዓበናሉን ኣብዚ ዝጸንሐናን ብምግርጫው ሓደን ዓብዪ ጸገምን ኮይኑ ይስምዓኒ። ብሰንኪ እቶም ጸገማት ብኹሉ ዓይነት ሓገዝ ዝደልያ ይመጽኣና ኣለዋ። ነዚአን ብዝደልይኦ ክንሕግዘን እዩ ድልየትና" ትብል። ሜሪ ካልእ ጸገም እትብሎ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ከጋጥም ዝኽእል ዘቤታዊ ዓመጽ ወይ ንመሰል ዝምልከት ርድኢት ውሑድ ገሊኡ ድማ ግጉይ ተባሂሉ ክግልጽ ዝኽእል ከም ዝኾነ ትዛረብ። "ናይተን ካብ ዓዲ ዝወጽኣ ዕውታት ደቀንስትዮ ኣይንርአ፤ ኣብ ዓዲ ክንደይ ደቂ ኣንስተዮ እየን ድላየን መሪጸን ተማሂረን ብዝተማህረኦ ዝሰርሓ ዘለዋ? ክንደይ እየን ካብአን ገለ ጸገም ከጋጥመን እንከሎ ንሰብ ክዛረባ ዝኽእላ? ክንደይከ'የን ትሕቲ ዕድመ ዝምርዓዋ ዘለዋን ከይተምሃራ ናብ ስደት ዝወጽኣ ዘለዋን? እቲ መሰል ካብዚ እዩ ዝጅምር" ኢላ። ካልእ ደቂ ኣንስትዮ መብዛሕትኡ ግዜ ዘገድሰን ድማ፡ ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰብ ዓለም ከም ምዃን መጠን ማዕረ ክፍሊት ማዕረ ስራሕ፣ ውሳነ ኣብ ዝወሃበሎም መሓውራት መንግስቲ ማዕረ ተሳታፍነት ክህሉ ምግባርን ዕድላት ትምህርትን ስራሕን ክመቻችኣለን ምኽኣልን እዩ። ዋዕሮ ነዚኦም ዘማእኸለ ክትዓትን ስራሕቲ ምዕባይ ግንዛበን ክህሉ ትሰርሕ ከም ዘላ ብምግላጽ ድማ እቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝሓትኦ ዘለዋ ሓገዛት ንምሃብ ንክኽእላ ብፍልጠትን ካልእን ክሕግዙወን ዝደልዩ ሰብ ሞያ ከም ዝደልያ ገሊጸን። "እቲ ፍርቂ ሕብረተሰብ ይጉዳእ ኣሎ እንተይልና ፈውሲ ክንደልየሉ ኢና መጺእና ዘለና። ነዚ ሒዝና ንፍዕቲ፣ ተባዕ፣ ሓያልን ጅግናን ጓል ኣንስተይቲ ክንፈጥር ኢና። ከምኡ ንነብሳን ሓዳራን ኮይና ንሕብረተሰብን ሃገርን እትኸውን ጓል ኣንስተይቲ ክንርኢ ኢና" ኢላ። ኣብ ዋዕሮ፡ 'ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንድሕሪት ክትተርፍ የብላን' ዝብል ናይ ወትሩ ዘረባ መስራቲት እቲ ጉጅለ ሜሪ ማግደላይን ምዃኑ ይልዓል። ካብዚ ብምብጋስ ዕምቆት ሽግራት ብዘየገድስ እታ ጉጅለ "ዘይትጃጁ/ዘይትስኩ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምፍጣር" እጃመይ ከበርክት'የ ኢላ ከም እትኣምን ኣባላታ ይዛረባ። ባስማ ቢንት ስዑድ፡ ስዑዳዊት ልእልቲ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሓ እታ ብዘይ ወግዓዊ ክሲ ንሰለስተ ዓመት ምስ ጓላ እተኣስረት ስዑዳዊት ልእልቲ ካብቲ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ከምእተፈትሐት እቶም ንክትፍታሕ ዝጣበቑላ ዝነበሩ ጎስጎስቲ ሓቢሮም። ልእልቲ ባስማ ቢንት ስዑድ፡ ኣብ መጋቢት 2019 ንሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብ ስዊዘርላንድ ክትገይሽ እናተዳለወት እንከላ እያ ተኣሲራ። ንሳን ጓላን ገበን ፈጺምክን ተባሂለን ስለዘይተኸሰሳ ስለምንታይ ከምእተታሕዛን ከምእተኣስራን ኣይፍለጥን እዩ። ገሊኦም ሰባት ግን ምስቲ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ጕዳያትን ሕገ መንግስታዊ ምሕደራን እትገብሮ ምጥባቕን ጎስጓስን ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ተኣሲራ ከም እትኸውን ይግምቱ። ስድራ ቤታ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ናይ 2020 ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ "ንጉድለታት ብግልጽን ብግህዶን ብምንቃፋ እያ" ከምዝበሉ ኤኤፍፒ ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ። ካልኦት ደገፍቲ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ቤት ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ዝንገረሉ ዘውዳዊ ልዑል ነበር መሓመድ ቢን ናየፍ ጥቡቕ ርክብ ስለዝነበራ እያ ክብሉ ይዛረቡ። እታ ጓል 57 ዓመት ልእልቲ ባስማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ንንጉስ ስዑዲ ሳልማንን ንዘውዳዊ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማንን ምንም ስለዘይኣበሰትን ኩነታት ጥዕነኣ ሕማቕ ከምዘሎን ብምጥቃስ ንክፈትሑዋ ሓቲታ ነይራ። ኣብ 2019፡ ክትሕከም ንወጻኢ ሃገር ክትነቅል እንከላ እንታይ ዓይነት ናይ ጥዕና ጸገም ከምዝነበራ ኣይተፈልጠን። እቲ ብትዊተር ከምእተፈትሐት ዝገለጸ ኣልኬስት (ALQST) እተባህለ ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ትካል፡ ኣብ ወሰናስን እታ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣል-ሓዒር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ፡ "ንህይወታ ኣብ ዘስግእ ኵነታት እናሃለወት ዘድልየቶ ሕክምናዊ ክንክን" ከም ዘይተገብረላ ብትዊተር ገሊጻ ። እቲ ናይ ስዑድያ ናይ መሰላት ጉጅለ ብምቕጻል፡ "ኣብ እዋን ማእሰርታ ዝኾነ ዓይነት ክሲ ኣይቀረበላን " ኢሉ። ልእልቲ ባስማ እታ ዝነኣሰት ጓል እቲ ካብ 1953 ክሳብ 1964 ንስዑዲ ዓረብ ዝገዝአ ንጉስ ስዑድ እያ ። ናይጀርያ፡ እሱራት ንምፍታሕ ትነጥፍ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ናይጀርያ ሌጎስ ዝርከብ ህንጻ ሳሙኤል ኢሎሪ ኣዝዩ ዓብዪ ህንጻ'ዩ። መዓልታዊ ኣብ ውሽጢ እዚ ህንጻ ብዙሓት ነገራት ይተኣናገዱ። እዚ ህንጻ፡ በዓል ኣርባዕተ ደርቢ ኮይኑ መዓልታዊ ኣስታት 300 ክስታት ዝርእዩ 20 ኣብያተ ፍርዲ ኣለውዎ። ብጎኒ መእተዊ እዚ ህንጻ ግን ሓንቲ ዓበይቲ ዕማማት ዝካየደላ ንኡሽቶ ቤት ጽሕፈት ኣላ። ኣብዛ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሓ ሰብ ሞያ ሕጊ ድማ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውጻእ ይሕግዛ። ኦሉዬሚ ኦሪጃ መስራቲት እቲ 'ሄድፎርት ፋውንዴሽን' ዝተባህለ ጉጅለ እያ። "በዓል ሞያ ሕጊ ምዃን . . . መንእሰይ በዓልቲ ሞያ ሕጊ ምዃን . . . መዓልታዊ'የ ናብ ቤት ፍርዲ ዝኸይድ። ብንእሽቶ ገበን ተኸሲሶም ዝተኣስሩ እሱራት ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክመጽኡ ይርኢ። ስለ ምንታይ'ዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነዊሕ ገይሮም? ኢለ ድማ ይሓትት። ምኽንያቱ ጠበቓ ንምቑጻር ገንዘብ ዘይብሎም ምዃኖም'ዩ" ትብል። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ጠበቓታት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2019 ዓ.ም [አቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጅምራ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ 127 እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝወጽኡ ገይረን ኣለዋ። ኣብዛ ጸባብ ክፍሊ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ምሃብ ንምንታይ'ዩ ዝጠቅም? ክንብል ሓቲትናያ። ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምኻድ ምስ ሰባት ምርኻብ ኽልኩል ስለ ዝነበረ ኣብ ግዝኣት ሌጎስ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ፍርዲ ተንቀሳቃሲ ቤት ጽሕፈት [ሞባይል] ክህልወና ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከም ዘበገሳ ትዛረብ። "ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘለዎ ትካል ክህልወና ዝወሰንናሉ ምኽንያት ድማ፡ ደቂ ኣንሰትዮ ኣብ ጉዳይ ፍትሒ ግዱሳት ስለ ዝኾና እዩ" ትብል። እዚ ጉጅለ ዝንቀሳቐሰሉ ባጀት ካብ ክፍሊ ሕጊ ኦሉዬሚ ኦሪጃ ዝምንጪ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ሰባት ብዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውጻእ ክደልያ እንከለዋ ግን ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ይገብራ እየን። ካብቲ ተንቀሳቃሲ ቤት ጽሕፈት ብተወሳኺ ንኣሳልጦ ስርሐንን ኣብ መላእ ናይጀርያ ናይ ሕጊ ኣገልግሎት ንምሃብን 'Lawyers Now Now App' ዝተባህለ መተግበሪ [ኣፕ] ምሂዘን ኣለዋ። "ኣብ መላእ ናይጄሪያ ክንህሉ ኢና ንደሊ። ኣብታ ሃገር ኣስታት 240 ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለው፤ መብዛሕትኦም ክኣ ቅጽጽ ዝበሉ'ዮም። እዚ ማለት ናትና ኣገልግሎት የድሊ'ዩ። ግን ከመይ ኢልና ኣብ 36 ግዝኣታት ናይጄሪያ ንብጻሕ? ቴክኖሎጂ ብቐሊሉ ይወስደና ማለት'ዩ" ክትብል ተረድእ። ኣብያተ ማእሰርቲ ናይጀርያ ብብዝሒ እሱራት ቅጽጽ ዝበሉ'ዮም ንዝብል ርኢይቶ ኦሊዮሚ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ማእከላት ንሃንጽ ኣለና ኢና ዝብል ምላሽ ሂቡሉ። "መንግስቲ ናይ ኣብያተ ማእሰርቲ ምጭንናቕ ከም ዘሎ ተገንዚቡ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣሎ'ዩ። ግን እቲ ምጽባብ ኣብ ከተማ ጥራሕ ዘሎ ጸገም'ዩ፤ ካልኦት ብዙሕ ዘይተጻበቡ ማእከላት ኣለው'ዮም። እቲ ጸገም ንምፍታሕ ድማ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ሰለስተ ሽሕ ሰባት ክሕዙ ዝኽእሉ ማእከላት ንሃንጽ ኣለና። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘየጽንሕ ውሳነ'ውን ክነተኣታቱ ኢና" ኢሉ። እንተኾነ ናይጄሪያውያን መንግስቲ ክሳብ ዝበጽሐሎም ጉጅለ ኦሉዬሚ ብዝተኽኣላ መጠን ትሕግዞም ኣላ። እቲ ዘተኣታተውኦ መተግበሪ 'Lawyers Now Now App' ድማ ብዙሕ ስራሕ የምጽኣለን ኣሎ። ወዲ 53 ዓመት ኣዴሉ ላዋል ሓደ ካብቶም በዘን ጠበቓታት ዝተሓገዙ እሱራት ኮይኑ፡ መራሒ ኣውቶብስ'ዩ። ሓደ መዓልቲ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ኣቑሒት ሓደ ድኳን ስለ ዘዕነወ ብዘይፍርዲ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፉ። "ናብ ቤት ማእሰርቲ መጺአን ሽመይን እቲ ዝተኸሰስኹሉ ቤት ፍርድን ሓቲተናኒ። መጀመርታ ገንዘብ ስለ ዘይብለይ ተጨኒቐ ነይረ፤ ግን ዋላ ሓደ ገንዘብ ከይሓተታ ኣፍቲሐናኒ። እቲ ጉዳይ ሕጂ'ውን ኣብ ቤት ፍርዲ'ዩ ዘሎ፤ ግን ጠበቃታተይ ኮይነን ጠጠው ይብላለይ ኣለዋ። ኣነ ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ዓብዪ ምስጋና ኣለኒ" ይብል። ኦሉዬሚ ኦሪጃ ብስርሓ ሕጉስትን ህንጥውትን ከም ዝኾነት ትዛረብ። "ተስፋ ስኢኑ፣ ዋላ ሓደ ሰብ መጺኡ ክሕግዘኒ'ዩ ዝብል ሓሳብ ዘይነበሮ ሰብ ሃንደበት ዝኾነ ሰብ ንዕኡ ክቃለሰሉ እሞ ተቓሊሱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ክትሪኦ ከለኻ ብቃላት ክትገልጾ ዘይትክእል ስምዒታት እዩ ዝፈጥር። ሓደ ሰብ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣውጻእኻ ድማ ተወሳኺ ክትሰርሕ . . . ክትቕጽሎ ኢካ ትተባባእ" ኢላ። ካንዲ ዎከር፡ ሳዕሳዒትን ቲክቶከርን ሚስ ኣፍሪካ ጎልደን ሞዴል ለተብርሃን ኢትዮጵያውያንን ኣመሪካውያንን ስድራ ስለ ዘዕበዩዋ ብኽልተ ሽም እያ ትጽዋዕ። ብሰንኪ ኲናት ኣብ ዕጽዋ ኣብ እትርከብ ትግራይ ንዘላ ወላዲታ፡ ለተብርሃን ኣብርሃለይ ክትብላ እንከላ ነቶም ቈልዓ 10 ዓመት እንከላ ብሞግዚትነት ዘዕበዩዋ ኣሜሪካውያን ስድራቤት ከኣ ኬንደስ ዎከር ይብሉዋ። ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ብፍላይ እቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ሚሊዮናት ተጠቀምቲ ዘለውዎ ቲክ ቶክ ዘለው ልዕሊ 200 ሽሕ ሰዓብታ ድማ 'ካንዲ ዎከር' ብዝብል ይፈልጡዋ። ጓል 19 ዓመት ለተብርሃን፡ ሞዴል፣ ሳዕሳዒትን ቲክቶከርን ኮይና ተመሃሪት መሰናድኦ'ውን እያ። ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ኣብ ዓርሰ/ነብሰ ህንጸት ዘተኮረ ስልጠናታት ምምዕባል ክእለትን ዓቕምን፣ ፋሽንን ምምልኻዕን [ሜክኣፕ] ትወስድ። ለተብርሃን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይጄሪያ ሌጎስ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድር ጽባቐ 'ሚስ ኣፍሪካ ጎልደን 2021'፡ ንኢትዮጵያ ወኪላ ብምስታፍ ካልአይቲ ኮይና ተዓዊታ። ኣብቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኣ 40 ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ውድድር፡ 18 ሞዴላት ኣብ ናይ መወዳእታ ሕጸ እኳ እንተበጽሓ ጓል 28 ዓመት ዚምባቡያዊት ሞዴል ሲንዲሶ ንድሎቩ እያ ተዓዊታ። ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብ ትግራይ ከተማ ኣኽሱም እያ ተወሊዳ ዓብያ። "ኣብ ዓድና ኣኽሱም፡ ክሳብ 13 ዓመት ጸኒሐ፤ ኣብ ስድራና ድኽነት ስለዝነበረ ኣደይ ቆሎ እናሸጠት ተዕብየኒ ነይራ" ትብል። ከም ኣደን ጓልን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለወን እትዛረብ ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብ ዙርያ ሓወልቲ ኣኽሱም ንበጻሕቲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ናይ ክሳድ መስቀል ብምሻጥ ንወላዲታ ትሕግዝ ምንባራ ትገልጽ። ብሓደ ገጽ ናብራ ምኽባዱ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኩነታት ጎጆ ንምቕናዕ ላዕልን ታሕትን ትብል ዝነበረት ወላዲታ የተሓሳስባ ስለ ዝነበረ ኾን ዶኾን ሓገዝ ይኸውን ብዝብል'የ ጀሚረዮ ትብል። "ናብራ ቆሎ እናተሸጠ . . . ንሳ'ውን ኣብ ክረምቲ ግራውቲ እናጸሃየት ማይ እናቐጥቀጣ እያ ኣትመጽእ ነይራ። ንዝኾነ መዓልቲ ዝሸጦ መስቀል እንተዘይገዛእክለይ ኢለ ለሚነ፤ ክልተ መስቀል ገዚኣትለይ። ነዚአን ዕጽፊ ገይረ ሸይጠ ነታ ዓይኒ ዋና መሊሰ በቲ ከስበይ ካልእ መስቀል ገዚአ ቀጺለዮ" ኢላ። ንኣስታት ክልተ ዓመታት ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ትምህርቲ፣ ፍርቂ መዓልቲ ክኣ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ታሪኻዊ ቦታታት ኣኽሱም ክርእዩ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ናይ ክሳድ መስቀል ከምኡ'ውን ባዕላ ዝሰርሓቶም ባህላዊ ስፌት እናሸጠት ሽግር ገዝኣ ተቃልል ነይራ። ኣብቲ እዋን [ለተብርሃን ቈልዓ 10 ዓመት እናሃለወት ጀሚሩ] ጸሓፊ 'Adam without Eden - hope far from Home' ፕሮፌሰር ስነ-ኵዕታ [ኣርኪዮሎጂ] ሳሙኤል ዎከር ናብ ኣኽሱም ይመላለስ ነይሩ። ህጻን ለተብርሃን፡ ኣብ ከባቢ መእተዊ ሓወልቲ ኣኽሱም ዝተደርበዩ ናይ ማይ ፕላስቲክ ኣልዒላ ነቲ ከባቢ ከተጽርዮን ቦታ ቦትኡ ክተሕዝን እንከላ ፕሮፌሰር ዎከር'ውን ኣብቲ ከባቢ ነይሩ። በዚ ኣጋጣሚ ምስ ተራኸቡ ከኣ ክሕግዙዋ ጀሚሮም። እቶም ኣመሪካውያን ስድራ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ናይ ትምህርትን ገንዘብን ሓገዝ ክገብሩላ ድሕሪ ምጽናሕ ብሞግዚትነት ወሲዶም ንከዕብዩዋ'ውን መስርሕ ጀሚሮም። እዚ ብምኽንያት ሕጊ ሞግዚትነት [ኣዶፕሽን] ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ክሳለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣብ 13 ዓመታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምጻእ ዝሓሸ ትምህርትን መነባብሮን እትረኽበሉ ዕድላት ብምፍጣር ኣብ ውሽጢ ዓዲ እናደገፉ ከም ዘዕበዩዋ ትገልጽ። እዚ'ውን ኮይኑ ግን 'ሰሪሕካ ናይ ባዕልኻ እቶት ምርካብ፣ ወላዲተይ ምሕጋዝ' ዝብሉ ካብ መንፈሳ ጠቕሊሎም ስለ ዘይወጽኡ፡ ጌና ጓል 16 ዓመት እናሃለወት ኣትሒዙ ናይ ምልላይ ስራሕትን ካልእን ንምስራሕ ዕድላት ትርኢ ምንባራ ተዕልል። እንተኾነ፡ እቲ ዓውዲ ውድድር ዝበዝሖ፣ ግዜን ገንዘብን ዝሓትት ስለ ዝኾነ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ንርእሳ ዓለምለኻዊት ተወዳዳሪት ከግብራ ኣብ ዝኽእል ዓለምለኻዊ ስልጠናታት ሞዴሊንግ ክትወስድን ምስቲ ዓብዪ ዕዳጋ ክትላለን ጀሚራ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ወይዘሪት 'ግሎባል ቪዥን ዎርልድ' ናይ መጀመርታ ተሳትፎ ገይራ ካልኣይቲ ወጺኣ። እዚ ሓደ ሸነኽ ህይወታ ኮይኑ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣካል እዚ ጉዕዞኣ ምስ ዝኾኑ ስድራ ቤታ ተራኺባ ከም ዘይትፈልጥን ድሃይ ወላዲታ ከም ዘይሰምዐትን ትዛረብ። "ኣደይ ኮነ ቤተሰበይ ብስልኪ ካብ ዘዛርቦም ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ፤ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ኢንተርነት የለን፣ ስልኪ ተዓጽዩ'ዩ . . . . ሰላም ይኹን ብዝብል ጸሎት ኢና ዘለና። ግደ ሓቂ፡ ኣዝዩ ስለ ዝጨንቀኒ'ውን እየ ኣብዚ እዋን ንነብሰይ ኣብ ስራሕ ብምጽማድ በብግዝኡ ኣብ ውድድራቱ ዝኣቱ ዘለኹ። ከምኡ እንተዘይገይረ ክድቅስ ኣይክእልን፤ [ዘሻቕል] ዜናታት እናኽሰምዕ ይርበሽ፤ እቶም ካብ ዓዲ ዝሰምዖ ነገራት'ውን ይጸልውኒ'ዮም" ትብል። ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ዓበይቲ መድረኻት ውድድር ጽባቐ ክህልው እንከለው፡ ብዙሕ ወጻእን ጻዕርን ዝሓቱ'ዮም። እቲ ኢንዳስትሪ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘለወን ኣካላዊ ጽባቐ ሓሊፉ ንክእለተን፣ ፍልጠተን፣ ባህሪአንን ካልእን ዝሓውስ ውሽጣዊ ጽባቐ'ውን ዝርኢ ኮይኑ፡ 'ሚስ አርዝ፣ ሚስ ኢንተርናሽናል፣ ሚስ ዩኒቨርስን ሚስ ዎርልድን' እቶም ቀንዲ ዓለምለኻዊ ውድድራት'ዮም። እዚ፡ ኣዝዩ ከቢድ ጻዕሪ ዝሓትት፣ ብዙሓት ፈተናታትን ትጽቢት ዘይተገብሮም ነገራትን ክገጥሙዎ ዝኽእሉ ኢንዳስትሪ እኳ እንተኾነ እተን ንዝመጽኣሉ ሃገር ወኪለን ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ዓውዲ ዝመርጻሉ ምኽንያት ዝተፈላለየ እዩ። ብቐንዱ ታሪኽን ባህልን ዝመጽኣሉ ሕብረተሰብ ምልላይ ኮይኑ ጎና ጎኒ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰበን ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ንምቅላስ'ውን ይጥቀማሉ። ንቱሪዝምን ባህልን ዘለዋ ዝንባለ ናብቲ ኢንዳስትሪ ከም ዝስሓባ እትገልጽ ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብታ ሃገር ቱሪዝም ክንድ'ቲ ዝግብኦ ከም ዘይተሰርሓሉ ትዛረብ። "ጓል ኣኽሱም ስለ ዝኾንኩ ምስ በጻሕቲ ዓዲ እየ ዓብየ። ሕጂ ብምኽንያት ኣብ ሃገር ዘሎ ጸገማት እቲ ዓውዲ [ቱሪዝም] ተሃስዩ'ዩ፤ ክሰርሓሉ'ውን ኣይክኣልኩን። ቀንዲ ዕላማይ፡ ንዓርሰይን ሃገርን ምፍላጥ ስለ ዝኾነ ግን ዓለምለኻዊ ሞዴሊንግ ቀንዲ ኣማራጺ ገይረ ርእየዮ" ኢላ። ወሲኻ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ዓድና ትግራይ ብዙሕ ዓቕሚ፣ ኩነታት ናብ ንቡር ምስ ተመለሰ እነመሓይሾ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ትግራይ ሓርማዝ፣ ዘራፍ ከም ዘለና ኣይፍለጥን፤ ከም ኬንያ፣ ታንዛኒያ ዝበላ ሃገራት ግን ብዝግባእ ስለ ዘፋልጥኦ እቶት ይረክባሉ ኣለዋ። ስለዚ ነዚኦም እናላለኹ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ቱሪዝም፣ ታሪኽን፣ ባህልን ክሰርሕ እየ ዝደሊ" ኢላ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ጽባቐ ንሰብ ወይ ሕብረተሰብ ዘለካ ኣጠማምታ፣ ንዓለምን ከባቢኻን ብኸመይ ትጸሉ፣ ንሰብ ብኸመይ ኣርኣያ ትኸውን ዝብል ትርጉም ከም ዝህባ ክትገልጽ እንከላ፡ ንሓዋሩ ኣብ ዙርያ ዘኽታማት ቈልዑን ደቂ ኣንስትዮን ትኹረት ዝገበሩ ፕሮጀክታት ክትሰርሕ ድልየት ኣለዋ። "ኣይረሳዕኹዎን፤ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝሓስቦ ነገር ነይሩ - ምስ ቈልዑ እየ ክሰርሕ ዝደሊ። ምኽንያቱ ምስ ቈልዑ ምስራሕ ወይ ንሳቶም ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከም ዝበጽሑ ምግባር ንጽባሕ ብሩህ መጻኢ ተቕምጥ ኣለኻ ማለት እዩ። ዓዲ ዘማዕብሉ፣ ጠንካራን ጽቡቕ ርእሲ ዘለዎም ቈልዑ ብምፍራይ ኩሉ ክዕረ'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዘለኒ ምስ ዘኽታማት ቈልዑ ክሰርሕ እየ ዝደሊ" ኢላ። ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብዚ እዋን ተመሃሪት መሰናድኦ ኮይና ኣብ ዝቕጽል ዓመት ማርኬቲንግ ንክተጽንዕ መደብ ኣለዋ። ጎድኒ ጎድኒ ትምህርታ ስራሕ ፋሺን ብምስራሕ፣ ኣብ ካልእ ውድድራት ጽባቐ ብምስታፍ ነቶም ክትሰርሖም እትደሊ መደባት ዝድግፉዋ ክእለትን ዓቕምን ከተተኩር ድልየት ኣለዋ። ብቐንዱ ርእሰ ተኣማንነታ ኣብ ዝሃንጹ መደባት ትኹረት ከም እትገብር እትዛረብ ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብ ጥልያን ኣብ ዝካየድ 'ሚስ ዩሮፕ ኮንቲነንታል' ንምስታፍ ምድላዋት ትገብር ምህላዋ ሓቢራ። "ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዝደለየቶ ንክትበጽሕ ርእሰ ተኣማንነትን ዕላማን ክህልዋ ኣለዎ፤ ኣብ ህይወት ብዙሕ ዓይነት ፈተና ክብድሃ ይኽእል እዩ፤ ወዲቓ ክትትስእ ትኽእል እያ። ንዕላምኣ ኢላ ክትንቀሳቐስ፣ ንቕድሚት ክትስጉም ኣለዋ። ከምኡ እንተገይካ ክትዕወት ይክኣል'ዩ" ትብል። ናይጀርያ፡ 'ሰባት ናብ ገነት ንምእታው' 700 ዶላር ዘኽፍል ፓስተር ሓደ ሰባኺ፡ ንሰባት ናብ መንግስተ ሰማያት ከእትወኩም'የ ብምባል ልዕሊ 700 ዶላር ብምኽፋሉ ተኸሲሱ። ፓስተር ኣደ ኣብራሃም፡ ናብ ገነት ዘእቱ ኣፍደገ ከምዝፈልጥ ብምሕባር፡ ክኣትዉ ንዝደልዩ 310 ሽሕ ናይራ (750 ዶላር) ከምዘኽፈለ ሓደ ካብ ሰዓብቱ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ እቲ ክሲ ቀሪብሉ ዘሎ። እቲ ዝበሎ ኣፍደገ መንግስተሰማያት፡ ኣብ ዞባ ኢኪቲ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣራሮሚ-ኡግበሺ ከምዘሎ'ዩ ንሰዓብቱ ዝገልጽ። ብዛዕባ'ቲ ኣፍደገ ከምዝተዛረበ ንቢቢሲ ዝተኣመነ ፓስተር ኣብራሃም፡ ገንዘብ ግን ከምዘይተቐበለ'ዩ ዝከራኸር። እቲ "ዘገልግሎ ኣምላኽ" ነቲ ኣፍደገ መንግስተ-ሰማያት ከምዝገለጸሉ ድማ ይዛረብ። ክርስትያናዊ ማሕበር ናይጀርያ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንፓስተር ኣደ ኣብራሃም ካብቲ ማሕበር ከምዝሰጎጐ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ዞባ ኢኪቲ ብወገኑ፡ ካብ ኣባላት ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ቤተክርስትያን ናይ ጽሑፍ ምስክርነት ብምእካብ መርመራ ጀሚሩ'ሎ። እቲ ፈለማ ኣብ ዞባ ኮጊ ዝተመስረተ ብፓስተር ኣደ ኣብራሃም ዝምራሕ ቤተክርስትያን፡ ጸኒሑ ናብ ዞባ ካዱና ከምዝገዓዘን፡ ቀጺሉ'ውን ምስ ሰዓብቱ ናብ ደቡብ ብምስጋም፡ ኣብ ዞባ ኢኪቲ ሓደ መዓስከር ብምምስራት ከምዝሰፈረ ይግለጽ። እቲ ንፖሊስ ዝሓበረ ግን፡ ድሮ ናብቲ ዝመጸሉ ዞባ ካዱና ተመሊሱ ኣሎ። በዓልቲ ቤቱ ግን፡ ኣፍደገ መንግስተ-ሰማያት ክኽፈት ትጽበ ከምዘላ ብምግላጽ ምስኡ ምምላስ ከምዝኣበየቶ ተፈሊጡ። እቶም ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰብሓዳር፡ መዓልታዊ ብተሌፎን ከምዝራኸቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቲ ብኖህ ኣብራሃም'ውን ዝጽዋዕ ፓስተር ኣደ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣባላት ቤተክርስትያኑ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኣዝማዶም ንቤተክርስትያኑ ገንዘብ ከዋጽኡ ክጉስጉስዎም ምሕታቱ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ'ዩ። ናይጀርያ፡ ነብሱ ክሸይጥ ኣብ ጎደናታት ዓዳጊ ክእልሽ ዝተረኸበ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ካኖ፡ ፖሊስ ንሓደ "ብሰንኪ ድኽነት" ንባዓሉ ናብ ዕዳጋ ዘቕረበ መንእሰይ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሎ ተሓቢሩ። ወዲ 26 ዓመት ኣሊዩ ኢድሪስ ዝተባሃለ መንእሰይ ንባዓሉ ክሸይጥ ናብ ዕዳጋ ከምዘቕረበ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብስፍሓት ምስተዘርግሐ 'ሚስባህ' ብዝበሃሉ እስላማዊ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ። ኣዛዚ ፖሊስ ሃሩን ኢብን፤ ተግባር እቲ መንእሰይ ብሃይማኖት ስለዘይፍቀድ'ዩ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ዝተገበረ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ። "ብሰሉስ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልናዮ ኣለና። እቲ ተግባር ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ዝተኸልከለ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ዋላ ኣብ ጸገም እንተሃለወ ንነብሱ ክሸይጥ ኣይክእልን" ኢሉ። ብስፌት ክዳን ዝናበር ዝነበረ መንእሰይ ኣሊዩ፤ በቶም ሃይማኖታዊ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምውዓሉ፤ ኣብ ከቢድ ሕጽረት ገንዘብ ከምዘሎ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ኣብ ባኮ ዝተጸሓፈ ዋጋ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጢሉ ክወጽእ ከምዝተገደደ ድማ ኣረዲኡ። ንነብሱ ዝተመነላ ዋጋ ከኣ 20 ሚልዮን ናይራ [ገንዘብ ናይጀርያ] ክኸውን ከሎ፤ እዚ ድማ ኣስታት 50 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ይበጽሕ። ንመጠን እቲ ገንዘብ ከፊሉ ንዝዕድጎ ሰብ ድማ ብምሉእ ልቡ ከግልግሎ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ። "ብሰንኪ ድኽነት'የ ናብዚ ውሳነ በጺሔ። ዝዕድገኒ ሰብ እንተረኺበ ፍርቂ ካብቲ ዝረኽቦ ገንዘብ ንስድራይ ክህቦም'የ" ክብል'ውን ተዛሪቡ። ዝፍጽሞ መሸጣ ሕጋዊ ክኸውን ከምዘለዎ ዝወሰነ ኣልዩ "ካብቲ መሸጣ ንመንግስቲ ዝግባእ 12 ሽሕ ዶላር ግብሪ ንምኽፋል" ድልው ምዃኑ ኣብቲ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ ምንባሩ ተፈሊጡ። ብዘይካ'ዚ "ዓዳጊ ንኽረክብ ዝሕግዞ ደላሊ እንተረኺቡ 5 ሽሕ ዶላር ክኸፍሎ ድልው'የ፤ ዝተረፈ ገንዘብ ድማ ንባዓለይ ይጥቀመሉ" ክብል ብፖሊስ ቅድሚ ምትሓዙ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ ነይሩ። ናይጄሪያ፡ ዕጡቓት ቦኮሓራም ዘይተስዓሩሉ ሽዱሽተ ምኽንያታት ዕጡቓት ናይጄሪያ ዝኾኑ ቦኮሓራም "ቴክኒካዊ ስዕረት" ገጢሙዎም'ዩ ዝብል ኣገላልጻ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓቅነቱ እናፎኸሰ ይኸይድ ኣሎ። ፕረዚደንት ሙሓሙዱ ቡሃሪ ኣብ 2015 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ እዩ ከምኡ ክብል ተሰሚዑ፤ እንተኾነ ግና እቲ ጉጅለ ክሳዕ ሎሚ ኣይጠፍአን ኣሎ። ሰራዊት እታ ሃገር፡ ነዞም ዕጡቓት ብምጥቃዕ ተቖጻጺሮምዎ ዝነበረ ግዝኣት ከምልስን ካብ ገለ ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ስፍራታት ክኣልዮምን ክኢሉ'ዩ። እንተኾነ ኣብ ቀረባ እዋን፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ 2009 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመርሉ ሰሜን ምብራቕ ከቢድ መጥቃዕቲ ምስ በጽሐ፡ ብዙሓት ንምዃኑ ምኽንያት ውድቀት ሰብ መዚ እታ ሃገር ካብ ምንታይ ዝተበገሰ'ዩ ኢሎም ይሓቱ ኣለው። ኣብዚ ዓመት ጥራሕ፡ ኣስታት 100 መጥቃዕታት ተፈጺሞም፤ እዚኦም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያንን ወተሃደራትን ዒላማ ዝገበሩ'ዮም። በዚ ምኽንያት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም፣ ኣጽዋር፣ መግብን መድሓኒትን ከኣ ተዘሚቶም። ክኢላታት: ቦኮሓራም ክጠፍእ ዘይከኣለ ብሽዱሽተ ምኽንያታት ምዃኑ ይገልጹ። ተንታኒ ጸጥታን ድሕነትን ካቢሩ ኣዳሙ፡ ቦኮሓራም ብወተሃደራዊ ስትራቴጂ ክትምክቶ ትኹረት ምግባር: ዓብዪ ጸገም መንግስቲ እታ ሃገር ምዃኑ ይዛረብ። "ነዚ'ዩ ንዝሓለፉ 11 ወይ 12 ዓመታት ኣንጻር እቲ ጉጅለ ዝውሰድ ስጉምቲ ለውጢ ከምጽእ ኮነ ክዕወት ዘይንርኢ" ይብል። "ብርግጽ፡ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ግዝኣታት ከምልስ ይክእል እዩ፤ ይኹን'ምበር ሕጂ'ውን ጽልዋ ክፈጥሩ፣ ኣባላቶም ክምልምሉ፣ ፋይናንስን ኣጽዋርን ክረኽቡ ከምኡ'ውን ዳግም ክውደቡ'ዮም ዝርኣዩ" ኢሉ። ኣብ ሰሜን ምብራቕ ዝነብር ህዝቢ ንቦኮሓራም ስለ ዝሓሊ ዘይኮነ ሰብ መዚ ኣገዳሲ ትኹረት ስለ ዘይገብርሉ፡ ተስፋ ዝቖረጹ ነበርቲ ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት ክወድቁ ከም ዝደፋፍኦም ተንተንቲ ይገልጹ። "ግብረ ራዕዲ ክትቃለስ እንተኾይንካ ካብ ወተሃደራዊ ስርሒት ዝዘለለ ስትራቴጂ የድሊ። እዚ ማለት ምንጪ እቲ መጥቃዕቲ ክትበጽሖ ኣለካ። ይኹን'ምበር ነዚ ኣመልኪቱ እኹል ጻዕሪ ክግበር ኣይርኣናን" ይብል ኣዳሙ። ሕጽረት ሰናይ ምሕደራ፡ ህዝቢ ዝጠፈሸ፣ ተስፋ ዝቖረጸን ዘይተመሃረን ክኸውን ገይሩዎ'ዩ ዝብል እቲ ተንታኒ፡ እዚ ኸኣ "ሓደ ዓብዪ ምንጪ እቲ ጸገም" እዩ ይብል። መንግስቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ልምዓት ንምስላጥ ዝገብሮ ምንቅስቓስ እንተሃለወ'ውን ኣዝዩ ዝንጉዕ እዩ። ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ክሊ እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ቑጠባዊ ልምዓትን ቓልሲ ኣኽራርነትን ዝሓዘ እዚ ጉጅለ ንምቅላስ ዝተሓንጸጸ ሃገራዊ ስትራቴጂ ቃልሲ ሽበራ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ስትራቴጂ ሙሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ ኮይኑ'ዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን ክኢላ ጸጥታን ድሕነትን ካቢሩ ኣዳሙ ይገልጽ። ተንታኒ ድሕነት 'ኢንስቲትዩት ቶኒ ብሌየር ንልምዓት' ዝኾነ ቡላማ ቡካርቲ ብወገኑ፡ ኣብ ክሊ እዞም ስጉምታት ልክዕ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝተወስደ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ዘድሊ ይጠቅስ። 2. ዓቕሚ ምምልማል ቦኮ ሓራም ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ሱር ዝሰደደ ድኽነትን ናይቲ ጉጅለ ጎነጻዊ መገድታትን በብግዝኡ ዝምልምሎም ሰባት ክበዝሑ ከም ዝገበረ ክኢላታት ይዛረቡ። ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ሽቕለት ኣልቦነትን ድኹም ምሕደራን ከም ዘሎ ብምግላጽ "ሰባት ንክነብሩ ብቐሊሉ ንምምልማል ድሉዋት'ዮም" ይብል ክኢላ ድሕነት ዓብዱላሂ ያዋል። ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቦርኖ ባባጋና ዙሉሙ ኣብ ቀረባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ጉጅለ ብምኽንያት ጎንጺ ዝተመዛበሉ ሰባት ከይተረፈ ይምልምል ኣሎ ኢሉ ነይሩ። ነዞም ሓይልታት ንምቅላስ ዘኽእል እኹል ዕጥቂ ከም ዘየለ ዝገልጽ ኣዳሙ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ብኣግባቡ ኣይተዓጠቐን ይብል። ትካል ቤከን ኮንሳልቲንግ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብ ናይጄሪያ ኣስታት 6.5 ሚሊየን ንኣሽቱን ቀለልትን ኣጽዋራት ኣለው ክብል እንከሎ፤ ካብዚ እቲ 586 ሽሕ ጥራሕ ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ከም ዝርከብ ሓቢሩ። "ካብዚ ብምብጋስ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት እታ ሃገር ዘይብሉ ዝለዓለ መጠን ኣጽዋር ከም ዘለዎ ምርኣይ ይክኣል" ይብል ኣዳሙ። ሰራዊት ናይጄሪያ ዝሓሸ ዕጥቂ ከይውንን ካብ ዝገብሩዎ ጸገማት ብልሽውና ሓደ ክኸውን ይኽእል። ኣንጻር ቦኮሓራም ዝውሰድ ስርሒት ንምስፋሕ ተባሂሉ ዝስላዕ ገንዘብ ኣብ ጁባ ሰብ መዚ ከም ዝተርፍ ይእመን። ተንታኒ ያዋል፡ ቦኮ ሓራም ንምጥፋእ ዝግበር ቃልሲ ብ"ቅንዕና" ከም ዘይተተግበረን "ገለ ሰባት ናብ ንግድን ዓርሶም ምብልጻግን" ክኣትው ከም ዝገበሮም ይዛረብ። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ሰራዊት ናይጄሪያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ኣሎ ብምባል ኣመሪካ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ኣንቢራትሉ'ያ። ፕሬዝደንት ቡሃሪን ፕሬዝደንት ነበር ጉድላክ ጆናታንን እቲ ስጉምቲ ኣንጻር ቦኮ ሓራም ዝገብሩዎ መኸተ ከተዓነቕፎ ምኽኣሉ ክገልጹ ጸኒሖም። እንተኾነ፡ እቲ ማዕቀብ ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ብ2018 ክለዓል እንከሎ፡ ናይጄሪያ ኣንጻር እቲ ጉጅለ እትወስዶ ስጉምቲ ጸብለልታ ከርኢ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ። ተንታኒ ቡካርቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ኣሸበርቲ "ሰራዊት ናይጄሪያ ዝወስዶ መጥቃዕቲ ኣየር ለሚዶምዎን ተረዲኦምዎን" እዮም ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ንኣሽቱ መዓስከራት ወተሃደራት ብምውጻእ ናብ ዓበይቲ መዓስከራት ክኣትው ገይሩ ነይሩ። እዚ ኣብ 2020 ተግባራዊ ዝኾነ ስትራቴጂ ኮይኑ፡ ወተሃደራት ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ይበጽሖምን ዕጥቅታቶም ተዘሚቱን'ዩ። እንተኾነ ብዙሓት ገጠራት ንሓደጋ ዝተቓልዓ ክኾና ከም ዝገበረን ተንተንቲ ይዛረቡ። "እቶም ዓበይቲ ካምፕታት ምስ ተፈጥሩን ሕጂን ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝበጽሑ መጥቃዕታት ከም ዝወሰኹ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ኣለው። ስለዚ እዞም ዓበይቲ ካምፕታት ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ተቓላዒ ክኸውን ገይሮምዎ'ዮም" ኢሉ ኣዳሙ። እዚ ነቲ መነባብሮኡ ኣብ ምግፋፍ ዓሳን ሕርሻን ዝተደረኸ ህዝቢ ሰሜን ምብራቕ ከም ዝሃሰዮን ኣብ ፍርያምነት ጽልዋ ከም ዘሕደረን ይጥቀስ። እቲ ሰራዊት'ውን ስለያ ዘካይደሉ ኮነ ሚስጥራዊ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ዕድላት ከም ዝተዓጸውዎ ይግለጽ። እዚ ማለት "እቶም ዕጡቓት ነቲ ሰራዊት ቀዲሞምዎ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ኣለው" ማለት'ዩ ኢሉ ኣዳሙ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት እታ ሃገር መሓመድ ያሪም ግን "ሰራዊትና ኣብ ልዑል ወነ ቓልሲ'ዩ ዘሎ፤ ቦኮ ሓራም ካብ ሰሜን ምብራቕን መላእ እታ ሃገርን ጸራሪጉ ከውጽኦ'ዩ" ኢሉ ነይሩ። ቦኮ ሓራም ምስ ካልኦት ዕጡቓት ርክብ ከም ዘለዎ ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቦኮ ሓራም ኣብ ኒጀር'ውን ከም ዘሎ ዝገልጽ ቪድዮ ፈንዩ ነይሩ። ሰብ መዚ ኒጀር ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ'ውን ዕጡቓት ቦኮ ሓራም ናብታ ሃገር ከም ዝኣተውን ጫካታት ተቖጻጺሮም ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከም ዘለውን ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2020'ውን ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ሌተናል ጀነራል ዮሱፍ ቱኩር ቡራቲ፡ ህዝብን ወተሃደራዊ ስጉምትን ክወሃሃዱ እንተዘይክኢሎም ኣንጻር ቦኮ ሓራም ዝግበር ቃልሲ ንዝቕጽሉ 20 ዓመታት ክቕጽል ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። “ሞይተ እንተዝኸውን ምሓሸኒ” ካብ ቃጸሎ ሓዊ ዝድሓነት ዒራቓዊት ደቀ’ንስትዮ ዒራቕ ኣብ ገዛውተን ልዑል መጠን ዘቤታዊ ዓመጻት ይበጽሐን። ከም ሳዕቤኑ ድማ ብዙሓት ደቀ’ንስትዮ ንነብሰን ብሓዊ የቃጽላ። ካብተን ንነብሰን ዘቃጸላ ዒራቓዊት ሓንቲ ክትመውት ኢላ'ኳ ሓሲባ እንተገበረቶ ክትመውት ኣይከኣለትን። ደቂ ኣንስትዮ ስለምንታይ ዝያዳ ይሓርቓ ኣለዋ? ኣብ መላእ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብማእከላይ ገምጋም ዝያዳ ክሓርቓ ከምዝጸንሓ ዓመታዊ ዳህሳስ ጋሉፕ ኮም ይሕብር። ስለምንታይ እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ? ኣብ መላእ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብማእከላይ ገምጋም ዝያዳ ክሓርቓ ከምዝጸንሓ ዓመታዊ ዳህሳስ ጋሉፕ ኮም ይሕብር። ስለምንታይ እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ? ቅድሚ ክልተ ዓመት ታህሻ ረኒ ኣብ ክሽነኣ ደው ኢላ ከላ ካብ መዓሙቕ ሳንቡኣ ዝወጸ ዓሚቝ ኣውያት ኣሰንቢድዋ። "ሕርቃን ወትሩ ንዓይ ብቐሊሉ ዝስዕረኒ ስምዒት'ዩ ነይሩ" ትብል። እዚ ግን ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝስምዓ ኣይነበረን። ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዝነበረት በዚሕዋ። ኣብ ገዝኣ እናተዘዋወረት ንኹሉ ዘሕርቓ ዓው ኢላ ክትዝርዝር 20 ደቓይቕ ኣሕሊፋ ነይራ። ድሕሪ እቲ ኣውያታ ግን ጽዑቕ ኣካላዊ ምፍትታሕ ተሰሚዕዋ። እታ ሂፕኖቴራፒስትን ኣሰልጣኒት ህይወትን ዝኾነት ታህሻ፡ ካብ ሽዑ ጀሚራ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብዙም ኣኪባ ብዛዕባ ኩሉ እቲ ቁጥዐ ዝፈጥረለን ነገር ክዛረባን ድሕሪኡ ድማ ክጭድራን ክትገብር ጸኒሓ። ቢቢሲ፡ ኣብ ን10 ዓመት ዝጸንሐ መረዳእታ ጋላፕ ዎርልድ ፖል ዘካየዶ ትንታነ ከምዝሕብሮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ እናሓረቓ ይመጻ ኣለዋ። እቲ ዳህሳስ፡ በብዓመቱ ኣብ ልዕሊ 150 ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ 120 ሽሕ ሰባት ዳህሳስ ዝገበረ እዩ። ካልኦት ሕቶታት ሓዊሱ፡ ኣብ ዝሓለፉ ብዙሕ መዓልቲታት እንታይ ዓይነት ስምዒታት ከም ዝተሰምዖም ድማ ይሓትት። ደቂ ኣንስትዮ ብቐጻሊ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብፍላይ ኣሉታዊ ስምዒታት - ሕርቃን፡ ጓሂ፡ ጸቕጥን ጭንቀትን - ብተደጋጋሚ ከም ዝስምዐን ሓቢረን። ትንታነ ቢቢሲ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጓህን ጭንቀትን ከም ዝስምዐን ይሕብራ፡ ዋላ እኳ ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ብቐጻሊ ኣናወሰኸ እንተጸንሐ። ኣብ ሕርቃንን ጸቕጥን ግን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ዘሎ ፍልልይ እናገፍሐ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ 2012 ክልቲኦም ጾታታት ቁጥዐን ጸቕጥን ኣብ ተመሳሳሊ ደረጃ ከምዘሎ ሓቢሮም ነይሮም። ድሕሪ ትሽዓተ ዓመት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብሽዱሽተ ሚእታዊት ፍልልይ ዝያዳ ይሓርቓን ዝያዳ ውጥረት'ውን የጋጥመን ኣሎ። እቲ ለበዳ ኮቪድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድማ ፍሉይ ምፍልላይ ነይሩ። እዚ ንቴራፒስት ሳራ ሃርሞን ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ መጀመርታ 2021 ንጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ ዓማዊላ ኣብ ሓደ ሜዳ ደው ኢለን ክጭድራ ኣኪባ ነይራ። "ኣነ ኣደ ክልተ ንኣሽቱ ቆልዑ እየ፡ ካብ ገዛይ ኮይነ ይሰርሕ ነይረ፡ በቃ እቲ ጽዑቕን ትሑት ደረጃ ዘለዎን ብስጭት ናብ ፍጹም ቁጥዐ ይዓቢ ነይሩ" ትብል። ድሕሪ ዓመት መሊሳ ናብ ሜዳ ወጺኣ። "እቲ ህቡብ ኮይኑ ዝተዘርገሐ ኣውያት ንሱ እዩ" ትብል። ኣብ ሓደ ካብቶም ጉጅለታት ኣደታት ኦንላይን ዝኾነት ሓንቲ ጋዜጠኛ ምስረኸበቶ ሃንደበት ካብ መላእ ዓለም ጋዜጠኛታት ክድውሉ ጀሚሮም። ሳራ፡ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝስምዐን ዝነበረ ነገር ክወጽእ ከምዝገበረት ትኣምን፡ እዚ ድማ ጾር እቲ ለበዳ ብዘይመጠን ኣብ ልዕሊአን ጽልዋ ዘሕድሮ ዝነበረ ጽዑቕ ብስጭት እዩ። ኣብ 2020 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ዳርጋ 5000 ኣብ ምስ ተቓራኒ ጾታዊ ርክብ ዝርከቡ ወለዲ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣዴታት ኣብ እዋን ዕጽዋ ካብ ኣቦታት ንላዕሊ ናይ ገዛ ሓላፍነት ከምዝወስዳ ኣረጋጊጹ። በዚ ምኽንያት ድማ ኣቦታት ናይ ስራሕ ሰዓታቶም ቐኒሱ። ኣብታ ስድራቤት ዝለዓለ ኣታዊ ኣብ ዝረኽብሉ ዝነበሩ እዋን እውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ኣብ ገለ ሃገራት ኣፈላላይ ቁጽሪ ናይተን ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መዓልቲ ቁጥዐ ተሰሚዑኒ ዝብላ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ካብቲ ዓለማዊ ማእከላይ ደረጃ ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ። ኣብ ካምቦድያ ኣብ 2021 እቲ ፍልልይ 17 ሚእታዊት ክኸውን ከሎ ኣብ ህንዲን ፓኪስታንን ድማ 12 ሚእታዊት ነይሩ። ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ዶክተር ላክሽሚ ቪጃያኩማር፡ እዚ ውጽኢት ኣብተን ሃገራት ዝርከባ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተማህራ፡ ስራሕ ዝሰርሓን ብቑጠባ ናጻ እናኾና ኣብ ዝኸዳሉ ዘለዋ እዋን ዝተፈጥረ ወጥሪ ምዃኑ ትኣምን። "ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ምስ ብጥንታዊ፡ ብኣቦነታዊ ዝዕብለል ስርዓታትን ባህልን ተኣሲረን ይርከባ" ትብል። "ኣብ መንጎ ኣብ ገዛ ዝርከብ ብኣቦነታዊ ዝዕብለል ስርዓትን ካብ ገዛ ወጻኢ ሓራ ዝወጸት ጓል ኣንስተይትን ዘሎ ዘይምስምማዕ ብዙሕ ቁጥዐ የስዕብ።" ኩሉ ግዜ ዓርቢ ምሸት ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ቸናይ ኣብ ጽዑቕ ሰዓት ነዚ ፍልልይ ብተግባር ትዕዘቦ እያ። "እቶም ደቂ ተባዕትዮ ክዛነዩ፡ ናብ እንዳ ሻሂ ክኸዱ፡ ሽጋራ ከትክኹ ትርኢ። እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ናብ መደበር ኣውቶቡስ ወይ ባቡር ክጓየያ ትረኽበን። እንታይ ከብስላ ከምዘለወን ይሓስባ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብባቡር ናብ ገዝአን ኣብ ዝምለሳሉ እዋን ኣብ መንገዲ ኣሕምልቲ ክቖርጻ ይጅምራ።" ዶክተር ላክሽሚ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ሕርቃነን ክገልጻ ከም ግቡእ ኣይውሰድን ነይሩ፡ እዚ ግን ይቕየር ከምዘሎ ትዛረብ። "ሕጂ ቁሩብ ዝያዳ ስምዒታተን ናይ ምግላጽ ዓቕሚ ስለዘሎ እቲ ቁጥዐ ዝያዳ'ዩ ዝኸውን።" እቲ ጽልዋ ለበዳ ኣብ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ እውን ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ። ቅድሚ 2020 ኣብ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓይሊ ስራሕ ቀስ ዝበለ ምዕባለታት ከምዝነበረ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሳይንቲስት ዳታ ዝኾነት ጂኔት ኣዝኮና ትገልጽ። ኣብ 2020 ግን እቲ ዝርአ ዝነበረ ምዕባለ ደው ኢሉ። ኣብዚ ዓመት ኣብ 169 ሃገራት ቁጽሪ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ እቲ ኣብ 2019 ዝነበረ ደረጃ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። "ብጾታ ዝተፈለየ ዕዳጋ ሰራሕተኛ እዩ ዘለና" ትብል ኣብ ኣሜሪካ እትነብር እታ ኣብ 2019 ብዛዕባ ቁጥዐ ‘ሬጅ ቢከምስ ሀር’ እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈት ደራሲት ሶራያ ቸማሊ። ንሳ፡ ኣብ ከም ክንክን ዝኣመሰሉ ብደቂ ኣንስትዮ ዝዕብለል ኢንዱስትሪታት ብዙሕ ምስ ለበዳ ዝተኣሳሰር ጽዑቕ ድኻም ከምዘሎ ትርኢ። "ናይ ሓሶት ስራሕ ኣዴታትን ድኹም ደሞዝ ዝኽፈሎን እዩ። እዘን ሰባት እዚአን ኣዝዩ ልዑል ደረጃ ዝተዓፈነ ቁጥዐ ይስምዐን’ዩ። ምስቲ ከይተሓላለኻ ክሰርሓ ትጽቢት ዝግበር ድማ ብዙሕ ርክብ ኣለዎ። ከምኡ'ውን ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ ወሰን የብሉን።" "መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መውስቦ ፍልይ ጾታ ተመሳሳሊ ዳይናሚክስ ይርከብ" ትብል። ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ ጾር እቲ ለበዳ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ተጻሒፉ እኳ እንተሎ፡ ውጽኢት ዳህሳስ ጋሉፕ ዎርልድ ፖል ግን ኣብኡ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ከም ዝሓረቓ ኣይሕብርን። "ኣብ ኣሜሪካ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ ሕርቃን ኣዝዩ ዓሚቕ ሕፍረት ይስምዐን" ትብል ሶራያ ቸማሊ፡ እቲ ሕርቃነን ድማ ጸቕጢ ወይ ጓሂ ከምዝኾነ ክሕብራ ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ። ምናልባት ርኡይ ብዝኾነ መልክዕ፡ ኣሜሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝለዓለ ደረጃ ጸቕጥን ጓህን ከምዘለወን ይሕብራ። ኣብ ካልእ ቦታታት እውን ተመሳሳሊ እዩ። ኣብ ብራዚል፡ ኡራጋይ፡ ፔሩ፡ ቆጵሮስን ግሪኽን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ውጥረት ከምዘለወን ይዛረባ። ኣብ ብራዚል፡ ዳርጋ ካብ ዓሰርተ ደቂ ኣንስትዮ እተን ሽዱሽተ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ሕሉፍ መዓልቲታት ውጥረት ከም ዝተሰምዐን ክገልጻ እንከለዋ፡ ካብ ዓሰርተ ደቂ ተባዕትዮ ግን ትሕቲ ኣርባዕተ ጥራይ እዮም ውጥረት ከም ዝተሰምዖም ገሊጾም። ታህሻ ረኒ ግን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካን ካልእን ሕጂኣብ "ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ኣይኾንን!" ዝብላሉ ደረጃ ከምዝበጽሓ ትሓስብ። "ብሓቂ ንለውጢ ብዘመቻችእ መንገዲ። ንሕርቃነን ድማ ነዚ ለውጢ ይጥቀማሉ ኣለዋ" ትብል። ጂኔት ኣዝኮና ብወገና፡ "ቁጥዐን ነድሪን የድልየካ" ብምባል ከምትሰማማዕ ትገልጽ። "ነገራት ንምልውዋጥን ከምኡ’ውን ሰባት ድማ ኣቓልቦ ንክህቡኻን ንክሰምዑኻን ሓደ ሓደ ግዜ እዞም ስምዒታት የድልዩኻ እዮም።" ጥዕና፡ ሰብ ሓዳር፡ ስለምንታይ ንነዊሕ እዋን ከይወለዱ ይጸንሑ? ኣቶ ተስፋ ተሎሳን ወይዘሮ ባንቻየሁ ኣሰፋን ይበሃሉ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ወለጋ ከተማ ደምቢ ዶሎ'ዮም ዝነብሩ። እዞም መጻምዲ፡ ሓደር ገይሮም ብሓባር ምንባር ካብ ዝጅመሩ 18 ዓመታት ኰይኑ'ሎ። ኣብዞም ዓመታት፡ ውላድ ንምርካብ ብዙሕ ፈተነ ክገብሩ ጸኒሖም፡ ቅድም ሰለስተ ኣዋርሕ እዮም ተበኲሮም። 18 ዓመታት ቈልዓ ከይወለዱ ብምጽንሖም ግን፡ ካብቲ ሕብረተሰብ፡ ዘመድን መሓዛን ዝበጽሖም ዝነበረ ጸቕጢ ኣዝዩ ከቢድ ምንባሩ ኣቶ ተስፋ ይዛረብ። ከም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኣመሰለ ዓቃባዊ ሕብረተሰብ፡ መጻምዲ ሓዳር ምስ መስረቱ ቀልጢፎም ቈልዓ ክወልዱ ትጽቢት ይግበር። ብሰንኪ'ዚ፡ ንነዊሕ ዓመታት ውላድ ብዘይምፍራዮም ሓዳሮም ከይተበተነ ኣጽኒዖም ንምቕጻል ብዙሕ ፈተናታት ከም ዘሕለፉ ወይዘሮ ባንቻየሁ ንቢቢሲ ተዛሪባ። "እቲ ሕብረተሰብ፡ ሓዳር ምስ ገበርካ ቈልዓ እዩ ዝጽበ። እቲ ዝጽበዮ ነገር እንተዘይሂብካዮ ድማ፡ ስለ ዘይደለኻ ወይ ኮነ ኢልካ ዝገበርካዮ ስለ ዝመስሎ፡ እንታይ ኴንኹም ኢኹም እናበለ ይሓትት። እዚ ኸኣ፡ ብሕታውነትን ተነጽሎን ክስምዓካ'ዩ ዝገብር" ትብል። ውላድ ኣመልኪቱ ካብቲ ሕብረተሰብ ዝወሃቡ ርእይቶታት ኣብ ህይወት ውልቀሰባት ዝፈጥርዎ ስነልቦናዊ ጸቕጢ ሓያሎ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ውላድ፡ ፈጣሪ ንሰብ ዝህቦ ነገር'ዩ። እንታይ ክንገብር ንኽእል? ኣምላኽ ሓጊዙና ኢና ነቲ ዝበጽሐና ዝነበረ ጸቕጢ ተጻዊርናዮ፡" ክብል ኣቶ ተስፋ ይዛረብ። ንዝሓለፉ 18 ዓመታት፡ ኣብ ሓዳሮም ክወልዱ ብዘይምኽኣሎም፡ ብሞግዚት ቈልዓ ዘይትወስዱ ዝብሉ ሕቶታት'ውን ይቐርበሎም ምንሩ ኣቶ ተስፋ ይዝክር። "ክንወልድ እናኽኣልና ኰነ ኢልና ዝገደፍናዮ ዝመስሎም ብዙሓት ሰባት ነይሮም። እናተጻደፍኩ ክሰርሕ ዝርእዩኒ ሰባት፡ ንምንታይ ኢኻ ስራሕ ትሰርሕ፤ ውላድ እንተዀነ የብልካን። ንመን ከተውርሶ ኢኻ እትሰርሕ ይብሉኒ። እዚ ዅሉ ኣምላኽ ሓጊዙና ኢና ክኢልናዮ" ይብል። ካብቲ፡ ካብ ሕብረተሰብ ዝበጽሕ ጸቕጢ ሓሊፉ፡ ቈልዓ ዝወለዱ ክሓቱ፣ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኸዱ እንከለውን ንኣሽቱ ቈልዑ ክርእዩ እንከለውን 'ከይወለድና ዲና ክንተርፍ' ዝብል ስምዒት ይስምዖም ከም ዝነበረ'ውን እዞም ሰብ ሓዳር ኣይሓብኡን። እዞም መጻምዲ፡ ኣብ ቀረባ ብዝተገብረሎም ሕክምና፡ ቈልዓ ክወልዱ ከም ዝኸኣሉ ወይዘሮ ባንቻየሁ ገሊጻ። ሰብ ሞያ ሕክምና እቲ ጸገም ምዕጻው ሻምብቆ ማህጸን ከም ዝነበረ ነጊሮምዋ። ኣብ ሕክምና ማህጸን ተሞኵሮ ብዙሕ ዓመታት ዘለዋ ዶክተር እልፍነሽ ድሪብሳ፡ "ኣብ ማህጸን ሕበጥ እንተሃልዩ፡ እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይትን ዘርኢ ተባዕታይን ንከይራኸቡ ነቲ ቱቦ [ሻምብቈ ማህጸን] ይዓግቶ። በዚ ምኽንያት'ዩ እቲ ጸገም ዝመጽእ" ትብል። እዚ ብተፈጥሮ ከጋጥም ኣዝዩ ውሑድ ኰይኑ፡ ቀንዲ ምኽንያት ግን፡ ብእዋኑ ሕክምና ዘይተገብረሎም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማታ [STD's] ነቲ ቱቦ ከም ዝዓጽውዎ ተብርህ። ካብዚ ብዝብገስ፡ ዋላ'ውን እቲ ዘርኢ ተባዕታይ [ስፐርም] ከምኡ'ውን እንቋቑሖ ኣንስተይቲ ልክዕ ኰይኖም እናሃለው ክራኸቡ ብዘይምኽኣሎም ጥንሲ ክፍጠር ኣይኽእልን። ገሊኡ፡ ባህልን ካልኦት እምነታትን ስለ ዝሕዝዎ ወይ ካብ ሓልዮት ዝብገስ'ውን ክኸውን ይኽእል፡ ቈልዓ ዘይወለድካ ኢሉ ይሓዝነልካ፣ መዓስ ኢኹም ትወልዱ ኢሉ ይውትውተካ። ገገሊኡ ኸኣ፡ ብፍላይ እታ ጓል ኣንስተይቲ መኻን ግዲ እያ? እናበለ ብድሕረኻ ስለ ዘውግዕ ሞራልካ ይትንከፍ እዩ። ስድራ ወይዘሮ ባንቻየሁ'ውን፡ ውላድ እናደለና ስለ ዝሰኣንናዮ እቲ ዝወርደና ዝነበረ ጸቕጢ ኣዝዩ ልዑል ነይሩ ይብሉ። ሓደ ሰብ መንእሰይ እናሃለወ፡ 'ደው ኢልካ'ዶ ክትኣርግ ደሊኻ፤ ሓዳር እንዶ ግበር' ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ከም ዝቐርብሉ ዝጠቅስ ኣቶ ተስፋ፡ ሓዳር ምስ ገበረ ድማ ብኡ ንብኡ ቈልዓ ንኽወልድ ትጽቢት ከም ዝግበሮ የረድእ። "እንታይ ኢኻ ትጽበ ዘለኻ? በቃ ዀይኑካ ሓደ ወሊድካ ስቕ ክትብል፤ ዘይትደግም?" ብዝብሉ ሕቶታት እዮም ዘጨናንቑኻ ይብል። ንውሕ ንዝበለ እዋን ሓዳር ዘይምግባርን፡ ሓዳር ገይርካ'ውን ቈልዓ ዘይምውላድን ሓያል ቤተሰባውን ማሕበረሰባውን ጸቕጢ ዘለዎ ስለ ዝዀነ፡ ብሰንኩ ዝጭነቑ ወይ ጭንቀት ዘማዕብሉ ሰባት [ብፍላይ እታ ጓል ኣንስተይቲ] ንምጥናስ ይኸልእ እዩ። እታ በዓልቲ ሞያ፡ "ጭንቀት መኻንነት [ኢንፈርቲሊቲ] የምጽእ'ዩ። እታ ጓል ኣንስተይቲ ከይጠነሰት ንሽዱሽተ ወርሒ ክትጸንሕ እንከላ፡ እምበርከ ክጠንስ ድየ? ብዝብል ጭንቂ ትወሓጥ፤ ብፍላይ ካብ ቤተሰብ ሰብኣያ ዝመጽእ ጸቕጢ ክህሉ እንከሎ እቲ ጭንቀት ይብርትዕ። እቲ ወዲ ተባዕታይ'ውን ክምርመር ስለ ዘይደሊ፡ ጸገም ኣለኪ ይብላ፤ ኣብዚ ጉዳይ እኹል ግንዛበ ስለ ዘየለ ግን፡ እቲ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ክብርትዕ ይገበሮ" ትብል። ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ካብተን ጾታዊ ትምህርቲን ኣካልት መፍረን ወዲ ሰብ ዝተሓሓዝ ትምህርቲ ዘይወሃበለን ሃገራት ኣፍሪቃ እያ። ኣብዚ ጉዳይ ብኽፉት ዝዘራረቡ ስድራቤታት'ውን ኣዝዮም ውሑዳት'ዮም። ካብዚ ብዝብገስ፡ ሰብ ሓዳር ቈልዓ ከይወለዱ ንነዊሕ ዓመታት ክጸንሑ እንከለው፡ ሕብረተሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ነታ ጓል ኣንስተይቲ'ዩ ዝዅንን። እታ ጓል ኣንስተይቲ'ውን እቲ ጸገም ናተይ'ዩ ኢላ ትሓስብ። ክኢላ ሕክምና ማህጸን ዶክተር እልፍነሽ ድሪብሳ፡ እቲ ጸገም ብመርመራ ክሳብ ዘይተረጋገጸ ንኽልተኡ ጾታ ምንቃፍ ልክዕ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ምኽንያት መኻንነት [Infertility] ክዀኑ ዝኽእሉ ብዙሓት ምኽንያታት ትዝርዝር። ብዙሕ ፍረ-ዘርኢ [ስፐርም] ናይ ዘይምፍራይ ጀነቲካዊ ጸገም ምህላው፣ ሲስቲክ ፋይብሮሲስ ዝተባህለ ጸገም ጥዕና ዘለዎም ከምኡ'ውን ኣብ እግሪ ዝወጽእ ቫሪስኮ ቬን ዝተባህለ ሕበጥ ኣብ ፍረ ነብሲ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ መኻንነት ይስዕብ። ብጡጥ ዝተሰርሐ ክዳን፣ ጥብቕ ዝበለ ምታንቲ ምግባር ከምኡ'ውን ንወዲ ተባዕታይ ሃፋዊ መሕጸብ ነብሲ [ሳውና] ምዝውታር ኣዝዩ ሓደገኛ ከም ዝዀነ ዶክተር እልፍነሽ ተረድእ። ብተወሳኺ፡ ብሓደጋ ምኽንያት ኣብ ፍረ ነብሶም ዝተጐድአ ሰባት ጸገማት ምውላድ ከጋጥሞም ይኽእል። "ብጡጥ ዝተሰርሐ ክዳን ምኽዳን ከም ጠቓሚ'ዩ ዝውሰድ፤ ጥብቕ ዝብል ምታንቲ ዝገብሩ ደቂ ተባዕትዮ'ውን ኣለው። እዞም ክዳውንቲ እዚኦም ፍረ ነብሲ ሙቐት ክህልዎ ስለ ዝገብሩ ጥዕና ዝህቡ ኣይኰኑን። ናብ ፍረ-ነብሲ ውዑይ ማይ እናፍሰስካ ምሕጻብ'ውን ነቲ ፍረ ዘርኢ ስለ ዝንክዮ ሓደገኛ እዩ፡" ትብል። ሓሓሊፉ፡ ኣብ ሓዳር ዘይምውላድ ከጋጥም እንከሎ፡ ደቂ ተባዕትዮ 'ጸገም የብለይን' ክብሉ ይስማዕ'ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብተፈጥሮ ትሑት መጠን ፍረ-ዘርኢ [ስፐርም ካውንት] እንተሃልዩ ግን፡ ኣብ ፍርያምነት ወዲ ተባዕታይ ጽልዋ ኣለዎ። "ሓደ ስፐርም'ዩ ሓደ እንቋቑሖ ዘጸጊ፤ ኣብ ሓደ ፈሳሲ ከኣ ሚሊዮናት ስፐርም ኣለው። ይዅን'ምበር ኣብ ውሽጢ እቲ ፈሳሲ ዘሎ ስፐርም ትሑት እንተዀይኑ እቶም ዝተረፉ ናብቲ እንቋቑሖ ብምኻድ ከቢቦም ወይ ፈንጺሖም ክኣትው ስለ ዘይክእሉ፡ ጥንሲ ክፍጠር ኣይኽእልን፡" ኢላ። ትሑት 'ስፐርም ካውንት' እንተሃልዩ፡ እቲ ወዲ ተባዕታይ ንሰለስተ ኣዋርሕ መድሃኒት ክወስድ ብምግባር፡ ናይ ኣመጋግባ ለውጢ ብምምጻእ፡ ጸቢብ ምታንቲ ብምውጋድ ውጽኢት ከምጽእ ከም ዝኽእል ሓቢራ። ብተፈጥሮ ዋላ ሓደ ፍረ-ዘርኢ ዘይብሎም ሰባት ከም ዘለው እትጠቅስ ዶክተር እልፍነሽ፡ ጾታዊ ርክብ ብግቡእ ስለ ዝፍጽሙ፣ ፈሳሲ ስለ ዝፈስስ ጥራይ መኻናት ኣይኰኑን ክብሃል ከም ዘይክኣል ተረድእ። እቲ ፈሳሲ፡ ንፍረ-ዘርኢ ዝስከም እምበር ባዕሉ ፍረ ዘርኢ ስለ ዘይኰነ ፍረ-ዘርኢ [ስፐርም] ክፈሪ ከም ዘይክእል ሓቢራ። ካብ ዓቐን ንላዕሊ መድሃኒታት ምውሳድ፣ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ፈሳሲኦም ናብ ውሽጢ ዘፍስሱ ወይ'ውን ቀልጢፎም ፈሳሲኦም ዝኸውን መንሽሮ ፍረ-ነብሲ ዘለዎም ቈልዓ ኣብ ምውላድ ጸገም የጋጥሞም። "ኣብ ሃገርና ሓደ ሰብ ኣዝማ ክብርትዖ እንከሎ ስቲሮይድ ይውጋእ። ስለዚ ሰብነቱ ናይ ኣዝማ ስቴሮይድ ከይወሰደ ኣይጥዕን፤ ሰብነቱ ነዚ ክለምዶ እንከሎ ድማ ኣብ ፍርያቱ ጸገም ይፈጥር። መንሽሮ ፍረ-ነብሲ ድማ ከይተፈለጠ ንብዙሕ ግዜ ክጸንሕ ይኽእል'ዩ። ሕጂ ብመርመራ ስለ ዝፍለጥ ብእዋኑ ሕክምና ክግበር ይክኣል'ዩ፤ ይዅን'ምበር እዚ ብዙሕ ስለ ዘይተለምደ ከይተፈለጠ ጸኒሑ መኻንነት ከምጽእ ይኽእል እዩ፡" ትብል። ወርሓዊ ጽግያት፡ ኣብ ፍርያምነት ጓለንስተይቲ ዓቢይ ተራ ኣለዎ። እዚ ዘይስሩዕ እንተዀይኑ ግን እንቋቑሖ ክትጸፊ [ከተፍሪ] ኣይትኽእልን። ንኣብነት፡ ጽግያት፡ 28 መዓልታት ዑደት ሓልዩ ዘይኮነ፡ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዜ ወይ ኣብ ከኽልተ ሰሙን ዝመጽእ እንተዀይኑ፡ እንቋቑሖ ምጽጋይ [ovulate] ኣይከኣልን። በዚ ምኽንያት ንምጥናስ ዘሎ ዕድል ኣዝዩ ትሑት ይኸውን። እዚ፡ ንዓቕመ ሄዋን ኣብ ዝበጽሓ ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም 'ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም' [PCOS] ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ምዝባዕ ሆርሞን ዝጠንቁ ኰይኑ፡ ፒሲኦስ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓሓሊፉ ዝርአ ወይ ዝተናውሐ ወርሓዊ ጽግያት ወይ'ውን ልዕሊ ዓቐን ሆርሞን ወዲ ተባዕታይ [ኣንድሮጅን] ክህሉ ይገብር። በዚ ምኽንያት፡ ማህደር እንቋቑሖ ብዙሓት ንኣሽቱ እኩባት ፈሰስቲ ስለ ዝፈጥር፡ እቲ እንቋቑሖ ናብ ደረጃ ምጽጋይ ኣይበጽሕን። "ድሕሪ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ዓመት ጸኒሓ'ያ ትወልድ ዝብሃል ነገር ኣሎ። ከምኡ ዝዀነሉ ጸገም ጥዕና'ኳ እንተዘይሃለዋ እቲ ኵነታት ግን እንቋቑሖ ከይጸጊ ስለ ዝገብሮ እዩ። ብተወሳኺ፡ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ንኣሽቱ እናሃለዋ 'ማስኩላር' ወይ ዓበይቲ ኰይነን ይርኣያ፣ ከም ወዲ ተባዕታይ ጭሕሚ ይህልወን፣ ቆርበተን ብጸጕሪ ይሽፈን። ኣብ ሃገርና ጸጕሪ ጥራሕ'ኮ እያ እናተባህለ ከም ጸጋ ይርአ'ዩ፣ ግን ጸገም እዩ። እንቋቑሖ ይጸጊ ከም ዘየሎ እዩ ዘርእየካ፡" ትብል ዶክተር እልፍነሽ። እዚ፡ ሕክምናዊ ረድኤት ብምሃብ እቲ እንቋቑሖ ክጸጊ ከም ዝግበር እትጠቅስ እታ በዓልቲ ሞያ፡ ወርሓዊ ጽግያተን ንክስተኻኸል ሆርሞን እናተዋህበን [ኣጸጋሚ እንተዀነ'ውን] ብቐሊሉ ክጠንሳ ከም ዝኽእላ ትሕብር። ካብዚ ሓሊፉ፡ ሕሙማት ኵሊት፣ ኣብ ህይወተን ካብ ማህጸን ወጻኢ ጥንሲ [ኦክቶፒክ] ኣጋጢምወን ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ፣ ሕማም ሽኮር፡ ሓሓሊፉ ምዕሩይ ዘይኰነ ኣመጋግባ [መግቢ ብኣግባቡ ዘይምብላዕ ወይ ኣመና ምብላዕ]፡ ኣልኮል፡ ምትካኽ ሽጋራን ካልኦት ወልፊታትን ቈልዓ ንዘይምውላድ ምኽንያታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ሰብ ሞያ የረድኡ። ብኻልእ ወገን ዝልዓል፡ ጉዳይ ዕድመ'ዩ። ብፍላይ ጓለንስተይቲ ሓዳር ቅድሚ ምግባራ ይዅን ሓዳር ምስ መስረተት፡ 'ባዮሎጂካዊ ሰዓትኪ ትሃርም ኣላ፤ ከይዘንጋዕኪ ሓዳር ግበሪ' ዝብል ርእይቶ ብተደጋጋሚ ካብ ስድራን መሓዛን ትሰምዖ'ያ። ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ከም ብዋዛ ኣይርእይኦን። ግን ከኣ ግዜ ወይ ዕድመ ንምውላድ ክንድዚ ዝኣክል ኣገዳሲ ድዩ? ዝብላ'ውን ኣይስኣናን። ሰብ ሞያ፡ ዕድመ ኣብ ክልተኡ ጾታ ጥዕና ዘለዎ ቈልዓ ክጥነስ ኣብ ምግባር ናይ ባዕሉ ተራ ከም ዘለዎ የረድኡ። ናብ ጓለንስተይቲ ክመጽእ እንከሎ ኸኣ፡ እንቋቑሖኣ ምስኣ'ዩ ዝኣርግ። እዚ ድማ፡ ጽርየትን ዓቐንን ክንኪ ይገብር። ዕድመ እናደፍአ ክኸይድ እንከሎ፡ ሓደጋ ምኻድ ጥንሲ፣ ኣብቲ ዕሸል ጀነቲካውን ክሮሞዞማውን ጸገማት ክፍጠሩን፣ ጠንቂ ተኽእሎታት ብመጥባሕቲ ምውላድ ይኸውን። ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ 20ታት [ዕድመ] ክዀና እንከለዋ ዝያዳ መፍረይቲ ከም ዝዀና እትዛረብ ዶክተር እልፍነሽ፡ እዚ ድሕሪ 35 ዓመት ደው ክብለሉ ዝኽእል ዕድላት ክህሉ ከም ዝኽእል ተረድእ። "ጓል ኣንስተይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ 30 ዓመት እንተዀይና ናይ ምውላድ ዕድላ እናነከየ'ዩ ዝኸይድ። ኣብ ከባቢ 43 ከኣ ይውዳእ። ንኣብነት ኣብ 43 ዓመት እንተጠኒሳ ኣብ 44 ይውለድ ኣሎ ማለት'ዩ፤ ድሕሪኡ ወርሓዊ ጽግያት ካብ 50 ዓመት ክሳብ 55 ዓመት እትመልእ ብስሩዕ ክመጽእ ይኽእል'ዩ፤ ግን ፍርያምነት ስለ ዘይብላ ክትጠንስ ኣይትኽእልን። ስለዚ ዕድመ ወሳኒ እዩ፡" ትብል። ሰባት፡ ዋላ'ውን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓዳር እንተጸንሑ ቈልዓ ብዘይምውላዶም ግን ብተለምዶ 'መኻናት' እዮም ተባሂሉ ክሕመዩ ይስማዕ እዩ። ደቂ ተባዕትዮ ይዅኑ ብዓቢኡ'ቲ ሕብረተሰብ፡ ዝበዝሕ ግዜ እታ ጓል ኣንስተይቲ ጥራይ እያ መኻን ኢሉ እዩ ዝሓስብ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ምምካን፡ እቲ ሓደ ሲሶ ጸገም ካብታ ጓል ኣንስተይቲ፣ ሓደ ሲሶ ካብቲ ወዲ ተባዕታይ እቲ ዝተረፈ ሓደ ሶሶ ድማ ካብ ክልቲኡ ሸነኽ ዝነቅል ከም ዝዀነ፡ ዶክተር እልፍነሽ ትገልጽ። ናይዚ ምኽንያታት ብዙሓት ኰይኖም፡ እቲ ቀንዲ ግን ዕድመ'ዩ። ብዝበዝሕ ግዜ፡ ዕድመ እንተ ተሓብአ'ውን እቲ እንቋቑሖ ግን ብዕድመ እዩ ዝኣርግ። "ኣብ ዕድመ ፈለማ 20ታት፡ ቈልዓ ክትወልድ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ። ድሕሪ 40 ዓመት እንተዀይኑ ግን [ሕክምና ተገይሩ]፡ ካብ 3 ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ጥራይ እያ ክትጠንስ እትኽል። ኣብ ሰላሳታት ካብ ዘለዋ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብናይ ባዕላ እንቋቑሖ፡ እታ ሓንቲ ክትጠንስ ትኽእል እያ፡" ትብል። ወሲኻ፡ "ዕድመኦም ብትኽክል ዝዛረቡ ሰባት እንተዀይኖም፡ መፍትሒ ንምርካብ ዘጸግም ኣይኮነን። ካብ ትሸዓተ እተን ሸሞንተ ብዝተፈላለየ መገዲ ተጠቒምካ ክጠንሳ ይኽእላ እየን። እዚ ዝውሰን ግን፡ ኣቐዲምካ እንታይ ዓይነት ጸገም'ዩ ዘለወን ዝብል ክፍለጥ ኣለዎ። ኣልኮል ወይ ሽጋራ እ እንተዀይኑ ድማ ደው ምባል ይጠቅም'ዩ፡" ኢላ። ኣብ ዓለም፡ ካብ 10 ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ መኻን ከም ዝዀነት ዶክተር እልፍነሽ ትገልጽ። ቈልዓ ዘይምውላድ ካብዞም ጸገማት ዝብገስ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ መጻምዲ መዓስ'ዮም ናብ ሕክምና ክኸዱ ዘለዎም? ንዝብል፡ ንሓደ ዓመትን ልዕሊኡን ብዘይ ዝዀነ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ጾታዊ ርክብ ፈጺሞም ጥንሲ እንተዘይኣጋጢሙ ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ከም፡ ኣይቪኤፍ -እቲ ትዩብ [ሻምብቈ ማህጸን] እንተ ተዓጽዩ ወይ ካልእ ጸገም እንተሃልዩ ፍረ-ዘርእን እንቋቑሖን ብምውሳድ ምውጋእ፣ ኢንቪትሮ ኢንሰሚናይዜሽን - ጓል ኣንስተይቲ እንቋቑሖ ኣብ እትጸፍየሉ እዋን ፈሳሲ ወዲ ተባዕታይ ብትዩብ ብምፍሳስ ክትሕገዝ ምግባር ዝኣመሰሉ ድማ እዞም ጸገማት ንምፍታሕ ዝወሃቡ ሕክምናዊ ሓገዛት'ዮም። ሕጂ፡ እንዳ ኣቶ ተስፋ ተሎሳን ወይዘሮ ባንቻየሁ ኣሰፋን፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ትጽቢት ቈልዓ ረኺቦም። ብቋንቋ ኦሮምኛ ኸኣ 'ካኩ' ኢሎምዎ ኣለው [ቃልኪዳን]። ሽጋራ ዘየትክኹ ሰባት ስለ ምንታይ ብመንሽሮ ሳንቡእ ይጥቅዑ? ኣቶ ላቀው ገብረስላሰ ኣብ ደብረብርሃን ነባሪ ማሕበር ሓረስቶት ጭራሮ ደብር እዩ። ዕድመኡ ኣብ ስሳታት ከም ዝዀነ ዝዛረብ ኣቶ ላቀው፡ ኣቦ ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን እዩ። ብዋዛ ዝጀመሮ ሰዓል እናበርትዖ ምስ ከደ ናብ ሆስፒታል ደብረብርሃን ከይዱ። ሰብ ሞያ ሕክምና፤ እቲ ሕማም ዓባይ ሰዓል እዩ ኢሎም ዝኣዘዝሉ መድሃኒት ክወስድ ድማ ጸኒሑ። እንተዀነ እቲ ሕማም እናበርትዐን እናበኣሰን ከም ዝመጽአ ይዝክር። “ብተደጋጋሚ መርመራ ገይረ፣ ግን ሕማመይ ክፈልጦ ዝኽእል ሰብ ኣይነበረን። የስዕለኒ . . . ደም ዝተሓወሶ ዓኽታ ይወጽኣኒ” ይብል። ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ሆስፒታል ደብረብርሃን ዝርከቡ መርመራ ዝገበርሉ ሓካይም ካብ ዓባይ ሰዓል ካልእ ዝተፈለየ ነገር ክህሉ ይኽእል እዩ ኢሎም ኣይሓሰቡን። ጥዕና ኣቶ ላቀው ግን ዝዀነ ዓይነት ምምሕያሽ ከርኢ ኣይክኣለን። ስለ ዝዀነ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ዘውዲቱ ተላኢኹ። ኣቶ ላቀው ሽጋራ ተትክኽ ዲኻ? ኢልና ክንሓቶ እንከለና “ኣነ ጐይታይ! ሓረስታይ’የ፣ ኣየትክኽን” ዝብል ምላሽ ሂቡና። እዚ ሕቶ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጽአ ሰብ ሞያ ሕክምና’ውን ሓቲቶምዎ እዮም። ኣብቲ ሆስፒታል ኣድላይ መርመራ ምስ ተገበረሉ መንሽሮ ሳንቡእ ከም ዝሓዞ ተረጋጊጹ ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ተላኢኹ። ኣቶ ላቀው፡ ከመይ ኢለ በዚ መንሽሮ ክጥቃዕ ክኢለ ዝብል ሕቶ ግን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይረኸበሉን። ክኢላ መንሽሮን ኣብ ዙርያ እዚ ሕማም ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ዝገብር ዘሎን ዶክተር ጂልቻ ድሪባ፡ “ብመንሽሮ ንከይትተሓዝ መፍትሒኡ ዘይምውላድ’ዩ ዝብሃል ነገር ኣሎ” ይብል። ብዙሓት ዓይነታት መንሽሮ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሰብነትና ከም ዝብገሱ ዝዛረብ ዶክተር ጂልቻ፡ መንሽሮ ሳንቡእ’ውን ኣብ ዓለም ካብ መንሽሮ ቈርበት ቀጺሉ ብኻልኣይ ደረጃ ዘጋጥም ከም ዝዀነ ይሕብር። ኣብ ከባቢ ሰሜን ዋልታ ካብ ጨረር ጸሓይ ብዝብገስ መንሽሮ ቈርበት ብሰፊሑ ይኽሰት። እቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝርከብ መንሽሮ ሳንቡእ ድማ፡ ኣብ ዓለም ቀተልቲ ካብ ዝበሃሉ ዓይነታት መንሽሮ እቲ ሓደ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ዝኽሰት ኣብ ታሽዓይ ደረጃ ዝርከብ ዓይነት መንሽሮ እዩ። ብመንጽር መጠነ ሞት ክርአ እንከሎ ግን ኣብ ሻምናይ ደረጃ ይርከብ። መንሽሮ ሳንቡእ ካብ መተንፈሲ ኣካልና ዝብገስ ዓይነት መንሽሮ እዩ። መንቀሊኡ እንታይ እዩ? ምስ መንሽሮ ሳንቡእ ብዝተሓሓዝ ቀዲሙ ዝለዓል ምትካኽ ሽጋራ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ'ዩ ኸኣ ኣቶ ላቀይ፡ “ሽጋራ ተትክኽ ዲኻ?” ዝብል ሕቶ ቀዲሙ ዝቐረበሉ። ምስ ምትካኽ ሽጋራ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ጥቓ ኣትከኽቲ ዝነብሩ ወይ’ውን ምስኦም ዝሰርሑ፡ 'ልኡማት ኣትከኽቲ' [ፓሲቭ ስሞከርስ] ዝበሃሉ ሰባት ኣለው። እቶም ዘትክኹ ሰባት፡ ጐዳኢ ዝበሃል ትኪ ሽጋራ እዮም ናብ ደገ ዘተንፍሱ። ኣብ መንጐ እዚ ተጠቃዕቲ ዝዀኑ ኣብ ጥቓኦም ዝርከቡ ሰባት ድማ ነዚ ትኪ ናብ ውሽጢ የእትውዎ። ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኵሎም ዓይነታት ሽጋራ ንጥዕና ጐዳእቲ ከም ዝዀኑ ይሕብር። በዓልቲ ሞያ ቍጽጽር ትንባኾ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ዝዀነት ኣንጀላ ቺባኑ፡ ዘየትክኹ ሰባት ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ንትኪ ሽጋራ እንተ ተቓሊዖም፡ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጉረሮኦም ቀሊል ዘይበሃል ጉድኣት ይወርዶም ትብል። “ካብ ካልኦት ሰባት ንዝመጽእ ትኪ ሽጋራ ዝቃልዑ ሰባት፡ ልዕሊ 700 ኬሚካላት’ዮም ናብ ውሽጦም ዘእትው። ካብ መንጐ ዚኦም እቶም 70 ንመንሽሮ ዝቃልዑ’ዮም። እዞም ሰባት ድማ ብመንሽሮ ሳንቡእ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ልዕሊ 20 ክሳብ 30 ሚእታዊት እዩ” ኢላ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ 65 ሽሕ ዝዀኑ ህጻናት ዓመታዊ ብሰንኪ ሽጋራ ከም ዝሞቱ ይገልጽ። ዶክተር ጂልቻ’ውን፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዘትክኽ ሰብ እንተሃልዩ ቈልዑን ሰበይትን ንመንሽሮ ሳንቡእ ከም ዝቃልዑ ይዛረብ። ኣብ ቦታ ስራሕ ድማ፡ መሳርሕትኻ ዘትክኽ እንተዀይኑ፡ ብብዝሒ ኣብ ጥቓኡ ዝርከቡ ሰባት በዚ መንሽሮ ናይ ምትሓዝ ዕድል ኣለዎም። ካብዚ ወጻኢ፡ ብቐጥታ ምስዚ መንሽሮ ዝተፈላለዩ ከሚካላት ከም ዘለው ዶክተር ጂልቻ ይዛረብ። “ብፍላይ ኣስቤስቶስ ዝተባህለ ከሚካል ኣሎ፤ ከምኡ’ውን ራደን። እዚኦም ንብዙሕ ዓመታት ክፈታተኑና ዝጸንሑ’ዮም። ሕጂ’ውን ኣለው። ብፍላይ ራደን ቅድሚ ሕጂ ሰባት ከይተረድኦም ንዕደና ይጥቀምሉ ስለ ዝነበሩ ተቓላዕቲ ኰይኖም ጸኒሖም’ዮም፡” ይብል። ስለዚ፡ ኣብ ዕደናን ህንጸት ኣባይትን ዝሰርሑ ሰባት ነዞም ከሚካላት ተቓላዕቲ ስለ ዝዀኑ፡ ብመንሽሮ ሳንቡእ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ሓፍ ዝበለ እዩ። እዚ ጥራይ ኣይኰነን፣ ምስ'ዞም ከሚካላት ምትንኻፍ ዘለዎም ሰባት ነዚ መንሽሮ ይቃልዑ እዮም። ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለዩ ፋብሪካታት ዝርከቡ ከም ሲልካ [silica]፡ ካድሚየም [cadmium]፡ ኣርሰሚክ [Arsenic]፡ ቤንዚደን [benzidine] . . . ብብዝሒ ንመንሽሮ ሳንቡእ ዘቃልዑ ከሚካላት እዮም። ብተወሳኺ፡ ዘየትክኹ ሰባት ምስ ጄኔቲክ ሚዩቴሽን ብዝተሓሓዝ በዚ መንሽሮ ከም ዝተሓዙ ዝገልጽ እቲ በዓል ሞያ፡ ብተደጋጋሚ ሕማም ሳንቡእ ዘጥቅዖም ሰባት፡ በሰላ ስለ ዝገድፍ ንመንሽሮ ሳንቡእ ከቃልዖም ከም ዝኽእል የረድእ። ምልክታት መንሽሮ ሳንቡእ ዶክተር ጂልቻ፡ ብዙሓት በዚ መንሽሮ ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ጥቁን ኣንበሳ ዝመጽኡ ሰባት፡ መድሃኒት ዓባይ ሰዓል ክወስዱ ዝጸንሑ ምዃኖም ገሊጹ። “እዚ፡ ሕማሞም ዓባይ ሰዓል ዘይኰነ ዓባይ ሰዓል እዩ ተባሂሎም ኣብ ከባቢኦም ክሕከሙ ዝጸንሑ ምዃኖም ዘርኢ’ዩ። ወይ ድማ ከም ኒሞኒያ ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ሕማማት’ዮም ተባሂሎም ክሕከሙ ዝጸንሑ’ዮም፡” ኢሉ። ብቐንዱ፡ መንሽሮ ሳንቡእ ዝሓዞ ሰብ ዘርእዮ ምልክት ሰዓል ኰይኑ፡ ምቁርራጽ ትንፋስ፣ ናይ ምዕፋን ስምዒት እውን ይርኣዮ። እቲ መንሽሮ ምስ ኣጋጠመ ሰዓል ከም ዘይጅምር ግን ዶክተር ጂልቻ የረድእ። ስለዚ፥ መንሽሮ ሳንቡእ፡ ናብ ኣድሪናል ግላንድ፡ ሓንጐልን ዓጽምን ናይ ምዝርጋሕ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ፡ ብመጠን እቶም ዝተዘርግሓሎም ክፍሊ ኣካላት ዘርእዮም ምልክታት ምህላዎም ኣይተርፍን። ከመይ ንከላኸሎ? ካብቶም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ብዝተፈለየ፡ መንሽሮ ሳንቡእን ማህጸንን ዘምጽኡ ነገራት ይፍለጡ’ዮም። ካብዚ ብዝብገስ፡ እዚ ሕማም ንምክልኻል ሽጋራ ዘትክኹ ሰባት ጠጠው ንኸብሉ ይምከር። ኣብ ጥቓ ሽጋራ ዘትክኽ ሰብ ዘይምንባር፡ ናብ ፋብሪካታት ይዅን ናብ ኣባይትና እነምጽኦም ከሚካላት ትሕዝቶእም ምፍላጥ’ውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ጥቓ ፋብሪካታት ዝነብሩ ሰባት ድማ፡ እቶም ካብቲ ፋብሪካ ዝወጽኡ ፈሰስቲ ንጥዕና ሓደጋ ስለ ዝህልዎም ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘለዎም ዶክተር ጂልቻ ይገልጽ። ኣቶ ላቀው ገብረስላሰ፡ ካብ ደብረብርሃን ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሰ ሕክምናዊ ክትትል ይገብር ኣሎ። “መንሽሮ’ውን ክሕከም ይኽእል’ዩ” ብምባል ጥዕናኡ ምምሕያሽ ምርኣይ ከም ዝጀመረ ሓቢሩ። ዶክተር ጂልቻ’ውን ሕጂ ብዘሎ ቴክኖሎጂ መንሽሮ ክሓዊ ዝኽእል ሕማም ከም ዝዀነ ይገልጽ። ኣብ ኢትዮጵያ ግን ሕክምና ዝወሃበሎም ቦታታት፡ ክእለት ሰብ ሞያ፡ ሕጽረት ናውቲ ሕክምናን ቀረብ መድሃኒትን ጠሚቱ ሃጓፍ ከም ዘሎ ይጠቅስ። ኣብ መጀመርታ ደረጃ ሕክምና መንሽሮ ሳንቡእ ብመጥባሕቲ እቲ መንሽሮ ተቘሪጹ ክወጽእ ብምግባር ምሉእ ብምሉእ ክሓዊ ይኽእል። መጥባሕቲ ንምግባር ዘይምችእ ኵነታት ምስ ዝህሉ ድማ ሕክምና ጨረርን ኬሞ ቴራፒን ከም ዝወሃብ ዶክተር ጂልቻ ገሊጹ። ሓንቲ ነፍሰጾር ብሰላም ክትገላገል ዝሓገዘ ዛምብያዊ ወተሃደር መዓርግ ተወሲኽዎ ዛምቢያዊ ወተሃደር ንሓንቲ ነብሰጾር ኣብ ማእኸል ናይ ዕፉን ሕርሻ ብሰላም ክትገላገል ስለዝሓገዛ ናእዳታት ይውሕዘሉ ኣሎ። ምኽትል ሓለቓ ዓሰርተ ሃምፍረይ ማንጊሳኒ፡ ነቲ ዝፈጸሞ ሰናይ ተግባር ስዒቡ ናብ ሙሉእ መዓርግ ሓለቓ ዓሰርተ ክሰጋገር ተገይሩ። እታ ነብሰጾር ኣብ ሕማም ሕርሲ ምህላዋ ምስፈለጠ ሞተርሳይክል ኣዳልዩ ናብ ሆስፒታል ከብጽሓ ጉዕዞ ጀመሩ። ንሳ ብኻልእ ሰብ ኣብ እትዝወር ሞተርሳይክል እናተጓዓዘት ንሱ ድማ ብናይ ብዓሉ ሞተርብሽክሌታ ይስዕባ ነይሩ። ይኹን’ምበር ገና ኣብ መገዲ እናሃለዉ እቲ ሕማም ሕርሲ ናብ ናይ መወዳእታ ደረጃ በጸሐ። እታ ነብሰጾር ክትወልድ ተቓረበት። “ዝናብ እናዘነበ ከሎ ኣብቲ ናይ ዕፉን ሕርሻ ክትሓርስ ሓገዝ ክገብረላ ግድን ኮይኑ” ይብል ሓለቓ ዓሰርተ ማንጊሳኒ። ንዕትብቲ እቲ ዝተወለደ ህጻን ድማ ብመላጸ ቆረጾ። “ንዕኣ [ነታ ነብሰጾር] ክረድእ ካብ ስራሕ ብምትራፈይ ንስርሐይ ናብ ዝስእነሉ ሓደጋ ኣውዲቐዮ ነይረ” ክብል’ዩ ንጋዜጠኛታት ዛምቢያ ተዛረቡ። እታ ነብሰጾር ምስተገላገለት ናብ ገዝኣ ኣይኮነን ኣፍንይዋ። ነቲ ህጻን ሒዙ ናብ ሆስፒታል ከምዝወሰዶም ይዛረብ። ኣብ እዋን ሓደጋ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ስልጠና ምውሳዱ ዝገልጽ እቲ ወተሃደር፡ ነታ ኣደ ብምሕጋዝ ግብራዊ ከምዝገበሮ ይገልጽ። ንዝሰርሖ ሰናይ ተግባር ስዒቡ ነቲ ህጻን ስም ከውጽኣሉ ስለዝተሓተተ ድማ ‘ራይሞንድ ቴምቦ’ ክብል ሰምይዎ’ሎ። ወተሃደራዊ ኣዛዚኡ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ተግባር ሓለቓ ዓሰርተ ማንጊሳኒ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት ዝጸንሐ ግጉይ ኣመለኻኽታ ዝቕይር ምዃኑ ሓቢሩ። ብርጋዴር ጀነራል ከልቪን ካንጉማ፡ ወተሃደራት ጉድኣት ዘኸትሉ ከምዝኾኑ ጌርካ ዝውሰድ ንዝነበረ ኣተሓሳስባ “ወተሃደር ንሰባት ክረድእ ከምዝኽእል ዘርእይ ትግባር” ክብል ገሊጹ። ኣብ ዛምቢያ ኣብ እዋን ወሊድ ብዝፍጸሙ ስሕተታትን ግድፈታትን በቢሰሙኑ ልዕሊ 100 ሓደሽቲ ህጻናት ንሕልፈት ከምዝቃልዑ ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር። ካብ ሞንጎ እቶም ምኽንያታት ሓደ ድማ ነብሰጾራት ብሰንኪ ራሕቒ ትካላት ጥዕና ኣብ ገዛ ንምውላድ ይፍትናሞ እቲ ሕርሲ ክኸብድ ከሎ ግን ደንጉየን ናብ ሆስፒታል ብምኻደን’ዩ። እቲ ካልእ ምኽንያት ከዓ ሕጽረት ግቡእ ስልጠና ዝወሰዱ ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝኾነ ሚንስተር ጥዕና እታ ሃገር ሲልቪያ ማሴቦ ትዛረብ። ጥዕና ስነ ተዋልዶ፡ ጥንሲ መናቱ ብኸመይ'ዩ ዝፍጠር? ጥዕና ስነ ተዋልዶ፡ ጥንሲ መናቱ ብኸመይ'ዩ ዝፍጠር? ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ቈልዑ ብሓደ ግዜ ወሊድካ ምዕባይ ዘገርም'ኳ እንተዀነ፡ ሓድሽ ክስተት ግን ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሞሮኮ ብሓደ ግዜ ዝተወልዱ ትሸዓተ ቈልዑ፡ ጽንብል ሓደ ዓመቶም ከም ዝተኸበረሎም ይዝከር። ኣብ ሓደ ግዜ ብዙሓት ቈልዑ ብምውላድ ኣብ መዝገብ ክብረ-ወሰን ዓለም ዝሰፈረት ኣደ ሸሞንተ ቈልዑ ዝዀነት ኣመሪካዊት ናድያ ሱለይማን እያ። ሕጂ ድማ እዛ ኣብ ሞሮኮ ትሸዓተ ቈልዑ ዝወለደት ጓል ማላዊ ሓሊማ ሲሱ፡ በዓልቲ እዚ ክብረ ወሰን ኰይና ኣላ። ቢቢሲ፡ ነዚ ዛንታ ኣብ ዘዳለወሉ ግዜ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ቈልዑ ካብ ዝወለዳ ኣደታት ሓበሬታ ንምእካብ ጻዕሪ ገይሩ'ዩ። ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ድማ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ሙከ-ጡሪ ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ከም ዝወለደት ዳይረክተር ሆስፒታል ሙከ-ጡሪ ዶክተር ጸጋየ ተስፋየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። እዞም ህጻናት፡ መዓልቶም ከይኣኸለ ስለ ዝተወልዱ ንዝሓሸ ሕክምና ናብ ኣዲስ ኣበባ ተላኢኾም። ኣብ ካልእ ድማ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ኣዳማ ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዑ ተገላጊላ፤ እቶም ቈልዑ ድማ ሳድሻይ ጽንብል ልደቶም ጽንብል ከም ዝተኸበረሎም ክንፈልጥ ክኢልና። ወይዘሮ ራሄል ከበደ መጀመርታ ክትጠንስ እንከላ፡ ኣብ ከብዳ ክልተ ደቂተባዕትዮን ክልተ ደቂኣንስትዮን ከም ዘለው ክንገራ እንከሎ፡ ክትኣምን ስለ ዘይከኣለት ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝኸውን ምዝራብ ስኢና ከም ዝነበረ ትገልጽ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓካይም ማህጸን ድማ፡ ኣብታ ሃገር ብሓደ ግዜ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሓሓሊፉ ድማ ልዕሊኡ ከም ዘጋጠሞም ተዛሪቦም። መዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ሙከ-ጡሪ ዶክተር ጸጋየ ተስፋየ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ሓንቲ ኣደ ኣርባዕተ ቈልዓ ምውላዳ ፍሉይ ኣጋጣሚ ከም ዝነበረን፡ ከምኡ ኣጓኒፉዎ ከም ዘይፈልጥን የረድእ። ክሳብ ሕጂ ብዝተኻየዱ መጽናዕታት፡ እቲ ክስተት ተፈጥሮኣዊ ከም ዝዀነ ብምግላጽ ናይ ምውላድ ዕድል ግን ብኵነታት ዝድረት ከም ዝዀነ ይገልጽ። "መናቱ ናይ ምጥናስ ዕድል፡ ካብ 250 ጥንሲ ኣብ ሓደ የጋጥም። ሰለስተ ቈልዑ ብሓደ ግዜ ናይ ምጥናስ ዕድል ድማ ካብ 10 ሽሕ ጥንሲ ኣብ ሓደ ክፍጠር ይኽእል፡" ይብል። ልዕሊ ሰለስተ ናይ ምዃን ዕድል እናነከየ ከም ዝኸይድ ዝጠቅስ ዶክተር ጸጋየ፡ ካብ 700 ሽሕ ጥንሲ እቲ ሓደ ኣርባዕተ ቈልዑ ናይ ምዃን ዕድል ከም ዝህልዎ ኣብሪሁ። ብሓደ ግዜ ብዙሓት ቈልዑ ምጥናስ (Multiple Pregnancy) ብቐንዱ ክልተ ዓይነት እዮም። እዚኦም፡ ተመሳሰልቲ መናቱ (Identical twins) ከምኡ'ውን ዘይመሳሰሉ መናቱ (Fraternal twins) ዝበሃሉ እዮም። ኣብ ቀረባ ሳምንቲ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰለስተ ተመሳሰልቲ መናቱ [ደቂ ተባዕትዮ] ሓደ ዓመቶም ተጸንቢሉሎም ነይሩ። ከምዚ ዓይነት ጥንሲ ካብ ክልተ ሚልዮን ኣብቲ ሓደ ጥራይ'ዩ ዘጋጥም። ኣብ ዓለም፡ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ግዜ ክንደይ ዝኣክል ቈልዑ ክወልድ ይኽእል ዝብል ውዱእ መልሲ የብሉን። በዓል ሞያ ሕክምና ጥንስን ማህጸንን ዶክተር ደምሰው ኣመኑ'ውን፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብሓደ ግዜ ክህልዋ ዝኽእል ቍጽሪ ቈልዑ ክንዲ ዝኣክል ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ብግልጺ ዝተቐመጠ ነገር ከምዘየሎ ገሊጹ። ድሕረ ባይታ ስድራቤት፡ ድሕሪ 30 ዓመት ዝፍጠር ጥንሲ፡ ከምኡ'ውን ቈልዓ ንምርካብ ዝግበሩ ሕክምናታት፡ ኣብ ሓደ ግዜ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ንምውላድ ጠንቂታት ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም። ጸለምቲ ኣመሪካውያን ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ መናቱ ናይ ምውላድ ዕድሎም ሰፊሕ ከም ዝዀነ መጽናዕታት የመልክቱ። ልዕሊ 35 ዓመት ዝዀኑ ጸዓዱ ድማ ሰለስተን ልዕሊኡን ቈልዑ ብሓደ ግዜ ናይ ምውላድ ሰፊሕ ዕድል ኣሎዎም። ዶክተር ደምሰው ኣመኑ፡ ሰባት ብልምዲ ሓደ ቈልዓ ዝጽበዩ፡ ማህደር እንቋቑሖ ጓልኣንስተይቲ ኣብ ሓደ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ እንቋቑሖ ኣዳልዩ ምስቲ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዘርኢ ስለዝራኸብ'ዩ፡ ይብል። ብተወሳኺ፡ ሓደ እንቋቑሖ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምስ ተራኸበ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ቦታ ተመቒሉ ተመሳሰልቲ መናቱ ናይ ምፍጣር ዕድል ኣለዎ። ብኻልእ ወገን፡ ማህደር እንቋቑሖ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ልዕሊ ሓደ እንቋቑሖ ብምፍራይ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምርኻብ ዝፍጠር ጥንሲ ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ዝዀነሉ ዕድል ይህሉ ማለት'ዩ። እዚ፡ ብብዝሒ ቈልዓ ንምርካብ ሕክምናዊ ክትትል ኣብ ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮ የጋጥም። ኢንቪትሮ ፈርትላይዜሽንን (IVF) ካልኦትን ቈልዓ ንምርካብ ዝግበሩ ሕክምናታት ፍርያምነት ማህደር እንቋቑሖ ብምልዕዓል ጥንሲ ንኽፍጠር ይገብሩ። ኣይቪኤፍ፡ እንቋቑሖ ኣብ ቤተ-ፈተነ ምስ ፍረ ዘርዚ ወዲተባዕታይ ክራኸብ ብምግባር፡ ናብ ማህጸን ዝኣቱ ሜላ ሕክምና እዩ። ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣመሪካ [ሲዲሲ] ካብ ቀረባት ግዜያት ንነጀው ኣብታ ሃገር ካብ መንጐ ዝውለዱ ሰለስተን ልዕሊኡን መናቱ፡ ካብ ኣርባዕተ እቶም ሰለስተ ቈልዓ ንምርካብ ብዝተገብሩ ሕክምናታት ዝተወለዱ ምዃኖም ይሕብር። ዶክተር ደምሰው ድማ፡ ኣብ ዓለም ካብ መንጐ ዝውለዱ መናቱ፡ እቶም ልዕሊ 70 ሚእታዊት ዘይመሳሰሉ መናቱ'ዮም ይብል። እቶም ዝተረፉ 30 ሚእታዊት ድማ ተመሳሰልቲ (Identical twins) እዮም ብምባል፡ እቲ ዕድል ጸቢብ ከም ዝዀነ የረድእ። ብሓደ ግዜ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ኰይኖም ዝውለዱ ህጻናት፡ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝህልዎም ግዜ ዕብየት ከይወድኡ ይውለዱ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ኣብ ኣዳማ ዝተወለዱ ኣርባዕተ ማናቱ ኣብ ሻምናይ ወርሖም ከም ዝተወለዱ ኣደኦም ወይዘሮ ራሄል ንቢቢሲ ገሊጻ። እቶም፡ ሕጂ ኣብ ሆስፒታል ሙከ-ጡሪ ዝተወለዱ መናቱ'ውን መዓልቶም ከይኣኸለ ከም ዝተወለዱ ሜዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ሓቢሩ። ክኢላ ሕክምና ማህጸንን ጥንስን ዩኒቨርሲቲ ጅማ ዶክተር ደምሰው፡ እቶም ልዕሊ ሓደ ኰይኖም ዝውለዱ መናቱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘጋጥሞም ጸገም ጥዕና ምስቲ ቅድሚ ምውላዶም ዝህሉ ኵነታት ዝትሓሓዝ እዩ ይብል። 60 ሚእታዊት ብሓደ ግዜ ልዕሊ ሓደ ቈልዓ ኰይኖም ዝውለዱ ቈልዑ መዓልቶም ከይኣኸለ ከም ዝውለዱ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዘካየዶ መጽናዕቲ የመልክት። ቁጽሪ መናቱ ክውስኽ እንከሎ ድማ፡ ነታ ኣደ'ውን ክጐድኣ ስለ ዝኽእል እቲ ጥንሲ ክቋረጸሉ ዝኽእል ዕድላት ከም ዝህሉ ሰብ ሞያ ይሕብሩ። እቶም ዕሸላት ኣብ ውሽጢ ማህጸን እንከለው ክሞቱ ከም ዝኽእሉን፡ እታ ኣደ ድማ ንጸቕጢ ደምን ካልኦት ተዛመድቲ ሕማማትን ከቃልዑዋ ከም ዝኽእሉ ዶክተር ደምሰው ገሊጹ። ልዕሊ ክልተ መናቱ ክውለዱ እንከለው፡ ምስቲ ሓደ ኰይኑ ዝውለድ ክነጻጸር እንከሎ ኣካላዊ ቁመናኦም ብጣዕሚ ዝነኣሰ፣ ናይ ምትንፋስ ጸገም ዘለዎምን ሰፊሕ ንኻልኦት ሕማማት ተቓላዕቲ ናይ ምዃን ዕድሎም ድማ ዝሰፍሐ እዩ። ካልኦት መጽናዕታት ድማ፡ ዕብየቶም ዝተደናጐየ፡ ምስ ባክተሪያ፡ ቫይረስን ጽግዕተኛ ተሃዋስያንን ብዝተሓሓዝ ኣብ ህጻናት ዝርኣይ (sepsis) ከምኡ'ውን ሴረብራል ፓልሲ ንዝተባህለ ሕማም ከም ዝቃልዑ የመልክቱ። መብዛሕትኦም ከምዚ ዓይነት ጥንሲታት ድማ ብመጥባሕቲ ከም ዝውለዱ ዶክተር ደምሰው ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ንክወሃብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ጽጌሬዳ፡ ወርሓዊ ጽግያት ምርኣይ ካብ ዝጀመረትሉ ዕድመ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ወርሓዊ ከቢድ ቓንዛ ከም ዝስምዓ ትዛረብ። ተመሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ኣብ እትርእየሉ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይትኸይድን። እቲ ቓንዛ'ውን ቅድሚ 10 መዓልቲ ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብታ ናይ መጀመርታ ደም ዝፈሰሉ መዓልቲ ግን ፈጺማ ካብ ገዛ ክትወጽእ ኣይትኽእልን። "ቅድሚ ሓደ መዓልቲ እቲ ሕማም ይብርትዕ፤ ወይ እግረይ ይሓብጥ፣ ከቢድ ረስኒ ይስምዓኒ . . . ወርሓዊ ዝስምዑኒ ምልክታት ዝተፈላለዩ'ዮም። ተመሃሪት እናሃለኹ ጽባሕ ከም ዝመጽእ እንተፈሊጠ ትምህርቲ የብኩር። ናብ ቤት ትምህርቲ እንተኸይደ'ውን ኣሞንጕየ'የ ዝምለስ" ብምባል ትዝክር። ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ምስ ተጸንበረት'ውን እንተኾነ ወርሓዊ ጽግያታ ኣብ እትርእየሉ መዓልቲ ናብ ስራሕ ኣይትኸይድን። ግዜ ዘይህብ ስራሕ እንተገጢሙዋ መዐገሲ መድሃኒት ብዕጽፊ እንተዘይወሲዳ ጠጠው ክትብል ኮነ ክትንቀሳቐስ ዘጸግመላ ሕማም ይስምዓ። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ሕማም እንታይ'ዩ? ወርሓዊ ዝስምዑኒ ምልክታት ዝተፈላለዩ'ዮም። ተመሃሪት እናሃለኹ ጽባሕ ከም ዝመጽእ እንተፈሊጠ ትምህርቲ የብኩር። ናብ ቤት ትምህርቲ እንተኸይደ'ውን ኣሞንጕየ'የ ዝምለስ" ብምባል ትዝክር። ናብ ናይ ስራሕ ዓለም ምስ ተጸንበረት'ውን እንተኾነ ወርሓዊ ጽግያታ ኣብ እትርእየሉ መዓልቲ ናብ ስራሕ ኣይትኸይድን። ግዜ ዘይህብ ስራሕ እንተገጢሙዋ መዐገሲ መድሃኒት ብዕጽፊ እንተዘይወሲዳ ጠጠው ክትብል ኮነ ክትንቀሳቐስ ዘጸግመላ ሕማም ይስምዓ። ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ሕማም እንታይ'ዩ? ኢሎም ይሓቱ። ነዚ ንክርድኡ'ውን ይሓቱ። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ቁርጸት ከብዲ፣ ከቢድ ሕማም ርእሲ፣ ረስኒ ሰብነት ምውሳኽ፣ ስምዒታት ጽዕንዕንታን ጭንቀትን ከምኡ'ውን ድዃም ይስመዐን። ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናድባውንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ካብ ልዕሊ 43 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝኣከቦ መረዳእታ 85 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ቑርጸት ከብዲ የጋጥመን ይብል። ከምኡ'ውን 77 ሚኢታዊት ስምዒታተን ክርበሽ እንከሎ 71 ሚኢታዊት ድማ ድኻም ይስምዐን። ካብ 6.5 ቢሊየን ሰባት ዓለም፡ ኣስታት 3.9 ቢሊየን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾና ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዝዛይድ ሓበሬታ ማእከላዊ ስታትስቲክስ የረድእ። ባንኪ ዓለም ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ሰራሕተኛ ሓይሊ ሰብ 46.5 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ይጠቅስ። ሓላፊት ምንቅስቓስ ሴታዊት ህይወት ኣበበ ሕጊ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ነዘን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግምት ዘእተወ'ዩ ክብሃል ይኽእል ክትብል እንከላ፡ ብፍላይ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ብምድንጋግ ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር እንከሎ ንደቂ ኣንስትዮ ትኹረት ዝገበረ'ዩ ትብል። ይኹን'ምበር ኣብዚ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ወርሓዊ ዘጋጥመን ምስ ወርሓዊ ጽግያት ዝተተሓሓዘ ሕማም ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወ ዕረፍቲ ንክወሃብ ንከፍቅድ ጎስጓስ ከም ዝጀመራ ትዛረብ። ሴታዊት፡ ሙሉእ ንሙሉእ ክብሃል ብዝኽእል ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ዝሓዘ ትካል ኮይኑ ንሰራሕተኛታቱ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ምሃብ ከም ዝጀመረ ገሊጻ። በዚ ምኽንያት ኣብ ስራሕ ዝተፈጥረ ጸቕጢ ወይ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘይምህላዩ ሓቢራ። "ናይ ወርሓዊ ጽግያት ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ'ዩ። ንሕና ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝብል ዕረፍቲ ኢና ተግባራዊ ገይርና። ሓደ መዓልቲ ጥራይ ዝደለየት'ውን ክትወስድ ትኽእል፤ ኣብ ስራሕ ክትርከብ እንተኽኢላ'ውን ትርከብ" ብምባል ኣብሪሃ። ብደረጃ ዓለም ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ምህላው ዝቃወሙ ገለ ኣካላት፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕማም ከይተሰምዐን እውን እቲ ዕረፍቲ ብዘይኣግባብ ክጥቀማሉ ይኽእላ'የን ክብሉ ይካትዑ፤ ነቶም ዝቖጽሩወን ትካላት'ውን ከኽስሮም'ዩ ይብሉ። ወሲኾም፡ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ ሓዊሱ ብምኽንያት ኣብ ውሽጢ ቤተሰብ ዘለወን ሓላፍነት ኣብቲ ናይ ሰራሕተኛ ሓይሊ ዘለወን ተደላይነት ንክንኪ ተወሳኺ ምኽንያት ክኸውን'ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለዎም። ህይወት ግን "እዚ ናይ ጾታ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሰብኣውነት ጉዳይ'ዩ፤ ከምዚ ዓይነት ክትዓት ኢ-ሰብኣዊ'ዮም። ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ስቓይ እናሕለፋ ስራሕ ይስርሓ ማለት ጭካነ'ዩ" ትብል። ጽጌሬዳ፡ ኣብ ከባቢ ወርሒ ጉንበት ሓያል ጸሓይ ስለ እትህሉ ወትሩ ምቹእነት ዝኸልኣ ዝነበራ ምዃኑ ትዝክር። "ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓያል ዋዒ ኣሎ፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ እናሃለኹ መንዲል ንጽህናይ ንምቕያር ናይ ዕረፍቲ ግዜ ይጽበ። ኣብቲ ግዜ ክዳነይ ከይበላሾ'ውን ስለ ዝጭነቕ ብውሽጢ ስረ ይድርብ፤ እዚ ኸኣ ካልእ ሙቐት ይውስኸለይ ነይሩ" ኢላ። ሴታዊት እዚ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ክትወስድኦ ዲኽን ክንብል ንህይወት ሓቲትናያ። ኣብ ዙርያ ወርሓዊ ጽግያት ዝሰርሑ ብዙሓት ትካላት ከም ዘለው ብምግላጽ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብቐሊሉ መንዲል ንጽህና ንክርከብን ግንዛበ ተመሃሮ ንክውስኽን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሑ ከም ዘለው ተዛሪባ። ብደረጃ ሃገር ግን ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ እቲ ቓንዛ ክሕይለን እንከሎ ፍቓድ ንክረኽባ ዝተጀመረ ጻዕሪ የለን። ኣብ ኢትዮጵያ ወርሓዊ ጽግያት ከም ነውሪ ምቑጻር ብፍላይ ኣብ ከተማታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተለወጠ ዝመጽእ ዘሎ'ኳ እንተኾነ ሕጂ'ውን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝገጥመን ጸገማት ኣሎ'ዩ። ጽገሬዳ ወርሓዊ ጽግያት ፈሪሑ ዝሃድም ኣባል ስድራ ከም ዘለዋ ብኣብነት ተልዕል። "ደም የፍርሐኒ'ዩ ይብል ነይሩ፤ ድሕሪ ብዙሕ ዝርርባት ሕጂ ሞዴስ ወይ ወርሓዊ ጽግያት ክሰምዕ እንከሎ ካብ ወንበር ተላዒልካ ምኻድ ገዲፉዎ'ዩ" ኢላ። እንተኾነ ምስኢ ብዝተሓሓዝ ዝመጽኡ ሕማማት ዝምልከት ብዙሓት ዝምቡዓት ኣረኣእያታት ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ሕማም ኣብ ዘይብርትዐን ደቂ ኣንስትዮ'ውን ምህላው ገሊጻ። "ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ስራሕ ቦታ 'ኣጋኒንኽዮ ወይ ሓሲኺ ኢኺ' ዝብሉ ርኢይቶታት ይገጥሙኒ'ዮም" ዝበለት ጽጌሬዳ ሒሙዋ ክትድቅስ እንከላ 'ምስ መጻምድኺ ተጻሊእኺ እንተኾይንኪ ተዛረቢ፤ ወርሓዊ ጽግያት ከምዚ ከሕምም ኣይኽእልን' እውን ከም እትብሃል ትዛረብ። ዕድለኛ ኮይና፡ ኣብ ዙርያ ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ዝሰርሕ ኖብል ካፕ እያ ናይ መጀመርታ ስርሓ ጀሚራ። ስለ ዝኾነ ድማ ናብ ስራሕ ከም ዘይትመጽእን እቲ ትካል'ውን ከም ዝርድኣላን ሓቢራ። እንተኾነ እዚ ኩሎም ትካላት ዝርድኡዎ ኣይኮነን። ብመሰረት ሕጊ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ኢትዮጵያ'ውን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምኽንያት ወርሓዊ ጽግያት ዝርኣዩዋ ሕማማት ዝምልከት ናይ ሓኪም መረዳእታ እንተዘይሒዛ ዕረፍቲ ኣይትረክብን። ዝተፈላለያ ሃገራት ግን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ከተኣታትዋ እንከለዋ፡ ዛምቢያ ሓንቲ ካብኣተን እያ። ኣብ ዛምቢያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ወርሒ ሓንቲ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ትወሃበን። ጃፓን፡ ኣብዚ ዙርያ ኣብነታዊት እትብሃል ኮይና ናይ ወርሓዊ ጽግያት ዕረፍቲ ምሃብ ካብ እትጅምር 71 ዓመታት ኮይኑዋ ኣሎ። ደቡብ ኮርያ'ውን ልዕሊ 60 ዓመታት ገይራ ኣላ። ኣብዛ ሃገር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ኣብ ወርሒ ክልተ መዓልቲ ፍቓድ ክትህበን እንከላ፡ እዚ ፍቓድ እንተዘይተጠቒመናሉ ድማ ብገንዘብ ተሓሲቡ ክኽፈለን ትገብር። ታይዋን ብወገና ሰለስተ ናይ ወርሓዊ ጽግያት መዓልታት ዕረፍቲ ትህብ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንምትእትታው ከም ሴታዊት፣ ኖብል ካፕን ኣዲስ ፓወር ሃውስን ዝበሉ ትካላት ይንቀሳቐሱ ኣለው። ኣመሪካውያን መጻምድቲ 'ካብ ዘይናቶም ዘርኢ' ህጻን ብምውላዶም ክሲ መስሪቶም ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ነበርቲ ዝኾኑ መጻምድቲ ንዐኦም ዘይመስል ህጻን ምስ ወለዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወሊድ ዝሰርሕ ማእከል ጥዕና ክሲ መስሪቶም። እቲ ኣብ ወሊድ ዝሰርሕ ክሊኒክ ዝተጋገየ ድቂ [ኢምብርዮ] እዩ ሂብዎም። ዳፍናን ኣሌክሳንደር ካርዲናልን፡ ኣብ መስከረም 2019 እዮም ጓል ኣንስተይቲ ህጻን ተቦኪሮም። እንተኾነ እታ ህጻን ንዓቶም ዝመስል ዋላ ሓንቲ ነገር ከምዘይብላ ምስረአዩ ተረቢሾም። ካብኡ ግና፡ ናይ ዘርኢ [ዲኤንኤ] ምርመራ ምስ ኣካየዱ እታ ህጻን ናታቶም ዘርኢ ዘይብላ ኮይና ተረኺባ። ብኸምዚ ዓይነት ኣብ ዝፍጠር ድቂ፡ ምቅይያር ክፍጠር ናይ መጀመርታ ኣይኮነን ተባሂሉ። እዚ ዘርኢ ወዲ ሰብ ኣብ ደገ ብምውሃድ [IVF] ድቂ ዝፍጠረሉ ሜላ፡ ዘርኢ እቲ ወዲ ተባዕታይን እንቋቖሖ ጓል ኣንስተይትን ኣብ ቤተ ፈተነ ክወሃዱን፡ ቀጺሉ ናብ ማህጸን እታ ጓል ኣነስተይቲ ክኣቱ ብምግባር ዝርከብ ጥንሲ እዩ። እቶም ደቂ ካሊፎርኒያ መጻምድቲ ድማ ብተመሳሳሊ ኣብታ ግዝኣት ዝርከብ ሓደ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ዝነጥፍ ማእከል ጥዕናን [CCRH] ቤተ-ፈተነን ተጠቀምቲ ኮይኖም። እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማእከል ጥዕና ዝተመስረተ ክሲ፡ ሕክምናዊ ስነ ምግባር ብምጥሓስ፣ ዕሽነት ብምርኣይን ብምትላልን ዝብል ይርከቦ። ቢቢሲ ንክልቲኦም ሓቲቱ ዝረኸቦ ምላሽ የለን። ዳፍና ግና፤ ኣብ'ቲ ትማሊ ሰኑይ ዝሃበቶ ስምዒታዊነት ዝመልኦ ዝተብሃለ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ስድራኣ 'ኣዝዮም ከምዝሓዘኑን ንምርድኡ ኣጸጋሚ ከምዝኾናን' ተዛሪባ። "ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ምውላድ እንክንሓስብ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኢና ክንርበሽ። ውላድና ንካልእ ተዋሃቡ፤ ኣነ ድማ ናብዛ ዓለም ንክመጽእ ዝተቓለስክሉ ውላድ ናተይ ኣይኮነትን"። ንሳ ወሲኻ ድማ፤ ናይ ባዕለይ ውላድ ናይ ምሕዛል ሕልመይ ተሰሪቐ ክትብል ኣንጸርጺራ። መዝገብ እቲ ክሲ ከምዝብሎ፡ እቶም መጻምድቲ ኣብ 2018 እዮም ሕክምናዊ ሓገዝ ሓቲቶም ነይሮም። ካብኡ ድማ፡ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ናትና ዝብልዎን ናቶም ዝመስሎም ውላድ ተገላጊላ። እንተኾነ፡ ኣሌክሳነድር ካርዲናል ኣብ ክፍሊ ወሊድ ነታ ውላድ ምስረአየ፡ ጸላም ኮይና ተራእያቶ: ደንጽዩዎ ድማ። "ካብቲ መዋለዲ ክፍሊ ድሕር ኢሉ፤ ኣብ መንደቕ ድግፍ ኢሉ ተሪፉ" ይብል እቲ ዝተነበ መዝገብ ክሲ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ግና፡ እቶም መጻምዲ ዲኤንኤ መርመራ ክግበር ሓቲቶም፤ ናቶም ዘርኢ ከምዘይኮነ ተረጋጊጹ። ኣብቲ እዋን፡ ኣዝዩ ጸልሚቱዎምን ሓርቢትዎምን ነይሩ ይብል እቲ ካብ ቤት መጋባእያ ዝተረኽበ ሓበሬታ። ካብኡ ድማ፡ ናብቲ ማእከል ጥዕና ተመሊሶም እታ ሓቃዊ ውላዶም ክረኽቡ ጻዕሪ ገይሮም፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ድማ እቲ ናይ እማን ናይ ስጋ ውላዶም ምስ ካልኦት ሰባት ጓል ኣርባዕተ ወርሒ ኮይንዎ ረኺቦምዋ። ድሕሪ ብዙሕ ምዝርራበት ድማ ኣብ ጥሪ 2020፡ እቶም ስድራ ደቆም ተቐያይሮም ተባሂሉ። "ንጓለይ ኣብ ክንዲ ዘጥብው ናይ ካልእ ሰብ ውላድ ኣጥቢወ፤ ካብኡ ድማ ክህባ ተገዲደ" ኢላ። ንሳ ናይ ቴራፒስት በዓልቲ ሞያ ክትከውን እንከላ ንሱ ድማ፡ ናይ ሙዚቃ ደርፊ ጸሓፍን ደራፍን እዩ።ሕጂ ክልቲኦም፡ እቲ ኩናታት ንዝፈጠረሎም ስንባደ፣ ጽዕንዕንታን ካልእ ተዛማዲ ስነ-ኣእደምሮኣዊ ጸጋማትን ይሕከሙ ኣለዉ። እቶም ካልኦት ስድራ'ውን ክሲ ክምስርቱ ከምዘደልዩ'ኳ እንተሓበሩ፡ ኣስማቶም ብሕቡእ ክኸውን ከምዝደልዩ እቲ ጠበቓ ናይቶም ክሲ ዝመስረቱ መጻምዲ ዝኾነ፡ ኣዳምቢ ዎልፍ ተዛሪቡ። ኣብ 2019 ከምኡ ተመሳሳሊ ዓይነት ክሲ ተመስሪቱ ምንባሩ ሓበሬታ የረድእ። ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ: ትዊተር ሓያሎ ናይ ኢትዮጵያውያን 'ኣካውንት' ከምዝዓጸወ ሓቢሩ ትካል ትዊተር፡ ምስቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብዝተሓሓዝ ንሓያሎ ናይ ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ኣካውንት (ሕሳባት) ከም ዝዓጸወ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። እቲ ዝተዓጽወ ኣካውንታት ብኣማኢት ዝቑጸር ምዃኑ ገለ 'ደገፍቲ-ትግራይ' ዝኾኑ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓቢሮም። ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ዝተገደደ "ናይ ሃሽታግን ስፓምን ዝርከቦም ጥሕሰታት ቅጥዕታት ትዊተር" ስለ ዝተፈጸመ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ማለት ፍሉያት 'ሃሽታጋትን' 'ሃንድላትን' ብተደጋጋሚ ኣብቲ ብትዊተር ዝዝርጋሕ መልእኽትታት ክካተቱ ዝገብር'ዩ። ዋላ'ኳ ዝበዝሑ ካብቶም ዝተዓጽዉ ሕሳባት ናይ 'ደገፍቲ-ትግራይ' እንተኾኑ፡ ትዊተር ግን ንቅጥዕታቱ ዘፈጽም "ብወድዓውነት ትሕዝቶን ኣካውንትን እዩ- ጸግዒ ናይ መንነት ፖለቲካን ስነ-ሓሳብን የብልናን" ክብል ይምጉት። በቲ ስጉምቲ ዝተጸልዉ ወገናት፡ ነቲ ውሳነ ይግባይ ክብልሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢታት በቲ ዝፈጥርዎ መድረኻትን ዝህብዎ ኣገልግሎታትን ጽልእን ምልዕዓልን የሳውሩ ኣለዉ ክብሉ ብዙሓት ይኸሱ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ትዊተር ንእዋናዊ ምዕባለታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ናይ 'ትረንድ' ኣገልግሎታት ከም ዝዓጸዎ ይዝከር። እቲ ኣገልግሎት ህቡባት ኣርእስትታት ወይ ጉዳያት ኣየኖት ምዃኖም ንቕድሚት ዘውጽእ'ዩ። ትዊተር፡ ቅድሚ ሕጂ'ውን ናይ ገለ ደገፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኾኑ ሕሳባት ዓጽዩ ምንባሩ ይፍለጥ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ብረታዊ ጎንጺ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት'ውን ከም ዝተንጸባረቐ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ብደገፍቲ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት፡ ኣብ ዝገብርዎ ምጥባቕን ምውዳብን ሓደ ካብ ቀንዲ መሳርሒታት ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት'ውን፡ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ ስኑዕ ሓበሬታታት ተዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞትን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ። ነቲ ክሳብ ሕጂ'ውን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ጭቡጥ ፈረ ኣይሃበን ዘሎ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ሰላማዊ ፍታሕ ዝርከበሉ ዕድል ተፈጢሩ ምህላዉ ከምዘሐጎሶ ተዛሪቡ ነይሩ። ኢትዮጵያ: ኣብ ክልል ትግራይ ተኸሲቱ ብዘሎ ጎንጺ፡ ብዙሕ ናይ ሓሶት ዜና ይዝርጋሕ ኣሎ መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ንገለ ሰባት መሰንበዲ ክኸውን ዝኽእል እልታት ኣለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከካይድ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ገለ ሰባት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ተጸሚዶም ኣለው። እቲ ገሊኡ ምስቲ ክስተት ዝኾነ ርክብ ዘይብሉ ትሕዝቶታት ክኸውን እንከሎ፤ ገለ ድማ ናይ ሓቂ ንምምሳል ምምሕያሻት ዝተገበረሉ እዩ። ብሩስያ ዝተሰርሐ ኤስ-400 ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይል፡ ኣብ ትግራይ ኣንጻር እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ የገልግል ከም ዘሎ ብምግላጽ ነዚ ስእሊ ዝተፈላለዩ ወገናት ይቀባበልዎ ኣለው። ብዘይካ'ዚ ፍርያት ሩስያ ዝኾነ ተፋእ ሓዊ'ውን ኣብ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ይዛረቡ። ምስቲ ስእሊ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ "እዚ ኣብ ስእሊ ትርእይዎ ዘለኹም ብረት፡ ኢትዮጵያ'ውን ከም ሃገር ኣይትውንኖን እያ፤ ተጋሩ ንርእሶም ካብ መጥቃዕቲ ኣየር ንምክልኻል ዘምጽእዎ እዩ" ይብል። ኣብቶም ስእልታት ናይ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ልባስ ዝገበረ ወተሃደር ይርአ። እንተኸነ ግና እቶም ስእልታት ነቶም ወተሃደራት ብምውሳኽ ዝተመስርሑ እዮም። ጽላሎት እቶም ወተሃደራት ምስ ካልእ ኣብቲ ስእሊ ዘለው ነገራት ዝሳነ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ካብቶም ስእልታት፡ እቲ ወተሃደር ምስቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ዘይመጣጠን ዓቐን ሒዙ ይርአ። እቲ መበቆላዊ ስእሊ፡ ኣብ ደቡባዊ ሩስያ ዞባ ኣስትራክሃን ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝተወስደ ምዃኑ ኣብ ኦንላይን ዝገበርናዮ ኣለሻ ስእሊ የነጽር። ኣብቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝተወስደ ቪድዮ ኣብዚ ምርኣይ ይከኣል። ፍርያት ሩስያ ዝኾነ ኤስ-400፡ ምዕቡል ካብ መሬት ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ስርዓተ ሚሳይል ኮይኑ፡ ሒደት ሃገራት እየን ዝውንንኦ። ኢትዮጵያ ድማ ሓንቲ ካብተን ነዚ ሚሳይል ዝዓደጋ ሃገራት ኣይኮነትን። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጠቀምቲ ፌስቡክ፡ ስእሊ ናይ ሓንቲ ኣብ መሬት እትቃጸል ጀት ብምጥቃም፡ ዝተሓምሸሸት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኢትዮጵያ ምዃና ዝገልጽ ሓበሬታ ክቀባበሉ ተራእዮም። ሓደ ካብቶም ኣብ ፌስቡክ እተዘርግሑ ሓበሬታታት "ሓይልታት ትግራይ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ የጋጥሞም ኣሎ። ሓንቲ ወተሃደራዊ ነፋሪት [ኢትዮጰያ] ኣውዲቖም ኣለው፤ ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ [ኮማንዶ] እውን ቀቲሎም። እቲ ኲናት ይቕጽል ኣሎ" ይብል። ተጻራሪ ኣለሻ ምስሊ ግና እቲ ስእሊ ናይ ኢትዮጵያ ዘይምዃኑ እዩ ዘርእይ። ተመሳሳሊ ስእሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ፡ ህይወት ልዕሊ 150 ሰባት ዝቐዘፈ፡ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ማክስ-8 ዝተቀባበሉ'ውን ሒደት ኣይኮኑን። ሓደ ካብኣቶም እቲ ኣብቲ ስእሊ ዝርአ ኣስከሬናት፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ናይ ዝተኻየደ ኲናት ግዳያት ምዃኑ ይገልጽ። ብዙሓት ግና እቲ ስእሊ ምስቲ ኲናት ዘራኽቦ ከም ዘይብሉ ገሊጾም፤ ገለ'ውን ካብ ገጻቶም ኣልዮምዎ ኣለው። ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ፡ ሊያ ታደሰ፡ እቶም ወተሃደራት ናይ ኮቪድ ጥንቃቐታት ክገብሩ ከም ዘዘኻኸረት ዝገልጽን ዘባጩን ሓበሬታ ኣብ ትዊተር ተዘርጊሑ። እቲ ሓበሬታ ከምዚ ይብል፤ "ማሕበራዊ ርሕቐት ብምሕላው፡ መናጽሂ ብምጥቃም፡ ማስክና [መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን] ብጥንቃቐ ብምግባር፡ እቲ ኲናት ብሰላም ክዛዘም፡ ኩላትና ዝምልከተና ኣካላት እጃምና ነበርክት"። እንተኸነ ግና ከምዚ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ናታ ናይ ትዊተር ገጽ የሎን፤ እቲ 'ስክሪንሾት' ስኑዕ እዩ። ብዘይካ'ዚ እታ ሚኒስተር ኣብ ትዊተር ኣብ ትልጥፎ ሓበሬታ ዘይከምቲ ኣብቲ 'ስክሪንሾት' ዝርአይ 'ኣንድሮይድ' ዘይኮነ 'ኣይፎን' ስልኪ ከም እትጥቀም ካብቲ ለጢፋቶ ዘላ ሓበሬታታት ምርዳእ ይከኣል። ስኑዕ ስእሊ ንምልላይ ዝሕግዙ ሓሙሽተ መገድታት ህቦብላ ሳንዲ ንኢስተርን ሲቦርድ ኣብ ዝሃረመሉ እዋን፡ ነቲ እቲ ዕንወት ዘርእዩ ዘይተለምዱ ምስልታት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሖም ነይሮም። ከም ፌስቡክን ትዊተርን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሃንደበት ዘሕዝን ዛንታታት ብዘርእዩ ምስልታት ኣዕለቕሊቖም። ግራውንድ ዜሮ (ምድሪ እተን ኣብ 9/11 ብግብረሽበራ ዝዓነዋ ማናቱ ህንጻታት) ብማይ ባሕሪ ክዕለቕልቕ፤ ሓወልቲ ሓርነት ብግዙፍ ማዕበል ክህረም፤ ዋላ'ውን ሻርክ ኣብቲ ውሕጅ ዝመልኦ ማያት ኒው ጄርሲ ክዞሩ ዘርእዩ ስእልታት ተዘርጊሖም ነይሮም። ግን፡ እቲ ህቦብላ ምስሓለፈ፡ ገለ ሰባት ከም ዝተታለሉ ክግንዘቡ ጀሚሮም። ገለ እቶም ስእልታት ናይ ሓሶት እዮም ነይሮም፡ ወይ ከምቲ ኣብቲ ስእሊ ዝተረኣይዎ ኣይነበሩን። ስለዚ፡ እቲ ናብ ኣዕሩኽትኹም፣ መሳርሕትኹም ወይ ተኸታተልትኹም ክትሰድዎ ዝደለኽምዎ ስእሊ ናይ ብሓቂ ድዩ ኣይኮነን ብኸመይ ትፈልጡ? ቢቢሲ ፊዩቸር ብናይ ሓሶት ስእሊ ተታሊልኩም እንተኾይንኩም ንምፍላጥ ከምኡ’ውን ዳግማይ ከይትታለሉ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ሓሙሽተ ሓሙሽተ መገዲታት ኣቐሪቡልኩም ኣሎ። ነብስኹም ተኣመኑ ማለት ውሽጥኹም ዝነግረኩም ስምዒታት ብምስትብሃል ቅኑዕ ወይ ጌጋ ውሳነ ትወስዱ ከም ዘለኹም ምፍላጥ ማለት እዩ። '[ሓደ ስእሊ] ምናልባት ስናዕ ስእሊ መሲሉ እንተተራእይኩም ከምኡ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ፡' ትብል፡ ጋዜጠኛታት ብኸመይ ዝተሰንዑ ኣሳእል ከም ዘለልዩ እተሰልጥን ዳይረክተር WTSP.com ተሬዛ ኮሎንግተን። ነቲ ምስሊ ኣጸቢቕኩም ርኣይዎ’ሞ ብልብኹም ሕሰቡ፤ እቲ ስእሊ ሓቂ ይመስል ድዩ? ኣዝዩ ፍጹም ዝኾነ ኮይኑ ተሰሚዕኩም ድዩ? ዝኾነ ጌጋ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዕኩም ድዩ? ዝኾነ ጌጋ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዕኩም ድዩ? እቲ ስእሊ ብሓቂ ዘገርም እንተኾይኑ ግን ድማ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዓበይቲ ምንጭታት ዜና እንተዘይወጺኡ፡ ንሓንቲ ካልኢት ደው ኢልኩም ሕሰቡ ትብል ኮሊንግተን። መብዛሕትአን መርበባት ሓበሬታ ብቕጽበት ነቲ ፍጹም ስእሊ ክጥቀማሉ እየን። እንተዘይተጠቒመናሉ ምናልባት ናይ ብሓቂ ስለዘይኮነ እዩ። ኮሊንግተን፡ ስእልታት ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ብቕልጡፍ ክዝርግሑ ይኽእሉ እዮም ትብል። ምኽንያቱ ሰባት ስለዝፈርሑ፡ ፍርሒ ድማ ኣብ ስምዒት ጥርጣረና ከይነዳምጽ ይገብረና እዩ። "ብዝኾነ ብዙሕ ዘይእመን ስእልታት አሎ፡ ስለዚ ሰባት ዝእመንን ዘይእመንን ናይ ምግንዛብ ተኽእሎኦም ከስፍሑ ኣገዳሲ ዝኾነሉ እዋን እዩ። ናይ ብሓቂ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ስምዒትኩም ንምድማጽ፡ ተወሳኺ ካልኢት ወሲድኩም ነቲ ነፍስኹም ዝነግረኩም ስምዒት አስተብህሉ" ትብል ተሬሳ። "ናይ ሓሶት ስእሊ ኣብ ምድላው ዝኸበዱ ነገራት ብርሃን፡ ጽላሎትን ነጸብራቕን እዮም" ይብል ሃኒ ፋሪድ። ንሱ ኣብ ዳርትማውዝ ኮሌጅ ኒው ሃምፕሻየር ክኢላ ዝተመዓራረዩ ምስልታትን መስራቲ ናይቲ ሰባት ናይ ሓሶት ንኽፈልጡ ስእሊ ንኽፈልዩ ንምሕጋዝ ውፉይ ዝኾነ ኩባንያ ፎርኤንድሲክስ ቴክኖሎጂስ ኢንኮረፖሬትድ እዩ። ይኹን እምበር፡ ህቦብላ ንነገራት ከም ዝሓላለኸ ይዛረብ። "እቶም ምስልታት ኩነታት ኣየር ዝተሓላለኹ እዮም፡ ምኽንያቱ ሓደ ካብቲ እንጥቀመሉ ነገራት ከም ብርሃንን ነጸብራቕን ሃሳስ ነጥብታትን ዝኣመሰሉ ነገራትን እዮም። ኣብቶም ምስልታት ድማ ብሓቂ የለዉን" ብምባል ሓደ ሓደ ግዜ ግን እቲ ብርሃን ፍንጪ ክኾነና ከምዝኽእል የረድእ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዓቢን ንዓለም ዘጥፍእ ዝመስልን ህቦብላ ንሓወልቲ ሓርነትን ንከተማ ኒውዮርክን ክውሕጥ ተዳልዩ ዘርኢ ስእሊ ርኣዩ። ኣብ ደበናታት ዘሎ ብርሃን ቐሪብኩም እንተርኢኽሞ፡ ድሕሪኡ ድማ ነታ ኣብ ቅድሚት ናይቲ ስእሊ ዘላ ጃልባ እንተርኢኹም፡ ክልቲኡ ካብ ሓደ ምስሊ ከምዘይኮኑ ንጹር ይኸውን። ተሬሳ ኮሊንግተን፡ “ብሓቂ ነቲ ስእሊ ብቐረባ ርኣይዎ” ትብል። ኣብ ቅድሚት ንዘሎ ​​ነገር መሪጽኩም ምስቲ ኣብ ድሕሪት ዘሎ ብርሃን እንተ ኣነጻጺርክምዎ፡ ፍልልያቱ ዝያዳ ርኡይ ክኸውን ይኽእል። ኣብዚ ጽሑፍ ዝቐረቡ ቀዳማይን ካልኣይ መንገዲታት ግን ከይተሓሰበ ከጋግዩና ከምዝኽእሉ ፋሪድ ይኣምን። “ውሽጣዊ ስምዒትና ዝነግረና ልክዕ ዝኾነሉ ዝተወሰኑ ነገራት ኣለዉ። ኣብ ካልኦት ድማ ናይ ብሓቂ ዝጋገየሉ ኩነታት ኣለዉ” ክብል ይዛረብ። ሓደ ካብ’ቲ ዝጋገየሉ ኩነታት፡ ብርሃን ናይ ሓደ ምስሊ ምትዕርራይ ዝተገብረሉ ድዩ ኣይኮነን ምሕባር ከምዝኾነ ይሕብር። “ብሓፈሻ ብብዙሓት ባእታታት ዝቖመ ዝተሓላለኸ ምስሊ ኣብ ምቕላልን ምውዳብን ውሽጣዊ ስምዒትና ምእማን ሓደ ነገር ኮይኑ፡ በቲ ጭቡጥ ኣካላዊ ባህርያት ውሽጥና ምትእምማን ብዝምልከት ግን ንፉዓት ኣይኮነናን።” ስለዚ ቀዳማይን ካልኣይ መንገዲታት ተጠቒምኩም ሕጂ’ውን ርግጸኛታት እንተዘይኮይንኩም፡ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ሓምሻይ ዘለዉ ሜላታት ፈትኑ። ኣብ 2004 ኣብ ዘጋጠመ ሱናሚ፡ ኣብ ቻይና ብ2002 ኣብ ሩባ ቺያን ታንግ ጂያንግ ዝተሳእሉ ሓያሎ ስእልታት ተዘርጊሖም ነይሮም። ተሬሳ ኮሊንግተን፡ እቲ ኣብ ድሕሪት እቲ ስእልታት ዝርአ ዝነበረ ሰማይ ናይታ ብሱናሚ ዝተሃርመት ፑኬት ስለዘይነበረ ናይ ሓሶት ከምዝኾነ ፈሊጣ። ጽሬት ናይቲ ምስልታት ምልክት ኮይንዋ። እቲ ምስሊ ካብ ፊልም ዝተስኣለ ወይ ካብ ጋዜጣ ዝተቐድሐ ከይኸውን ተጠራጢራ። እቶም ኣብቲ ስእልታት ዘለዉ ሰባት ዝተኸደንዎ ወይ ዝገብርዎ ነገር እውን ርኣዩ። ንኣብነት እቶም ኣብ 2004 ናይ ዘጋጠመ ሱናሚ ተባሂሎም ዝተዘርግሑ ስእልታት ቐሪብኩም እንተርኢኽምዎም፡ ብዙሓት ሰባት ዝስሕቑ ወይ ፍሽኽ ዝብሉ ይመስሉ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝሃርም ማይ ካብ’ቲ ታይዳል ቦር ዝበሃል መስሕብ በጻሕቲ ቻይና ስለዝኾነ እዩ። እቲ ስእሊ ናይ ሱናሚ እንተዝኸውን ነይሩ፡ ሰባት ክሳብ ክንድ’ዚ ሕጉሳት ኮይኖም ኣይምተርኣዩን ነይሮም። እቲ ሓወልቲ ሓርነት ብማዕበል እናተሃርመት ዘርእይ ምስሊ ዝፍለጥ ይመሰል። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ካብታ ‘ዴይ ኣፍተር ትሞሮው’ ትብል ፊልም ስለ ዝተወስደ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓቢ ቅድሚ ሕጂ ዝተርኣዩ ስእልታት ከም እንደገና ክዝርግሑ ይኽእሉ እዮም ይብል ፋሪድ። ስለዚ ቅድሚ ሕጂ ንፈልጦ ስእሊ እንተመሲሉና ምናልባት ንፈልጦ ስእሊ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎ። ድሕሪ ህቦብላ ሳንዲ ሓያሎ ምስልታት ሻርክ ተራእዮም’ዮም ነይሮም። ናይ ብሓቂ ከምዘይኮኑ’ውን ዳርጋ ርዱእ’ዩ። እዞም ኣብ ኒው ጄርሲ ኒው ዮርክ ሻርክታት ክንቀሳቐሱ ዘርእዩ ስእልታት እንተርኢና ኣብ ውሕጅ ዝኸደሉ መገዲ ክረኣዩ ኣዝዩ ዘይእመን ነገር’ዩ። ካብኡ ንላዕሊ ድማ ዝኾነ ሰብ ክስእሎም ዝኽእለሉ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰሉ ስእልታት ቅድሚ ምዝርጋሕና ዝተመዓራረየ ስእሊ ወይ ፎቶሾፕ ከምዘይኮነ ከነረጋግጽ ይግባእ። ከም ሮይተርስን ኤፒን ዝኣመሰሉ ማዕከናት ዜና ከይተረፉ ብናይ ሓሶት ስእሊ ተታሊሎም ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ንሕና እውን እንተተታሊልና ሕማቕ ክስምዓና የብሉን። የግዳስ ጥንቃቐ ኣብ ምግባር ከነተኩር ይግባእ። ሓደ ስእሊ ስኑዕ ከምዝኾነ ነዘን ሓሙሽተ መገዲ ጠጠቒምና ክነረጋግጽ እንተዘይክኢልና ብዛዕባ እቲ ስዕሊ ሓበሬታ ክንረኽበሉ ንኽእለሉ ዝተፈላለዩ መድለይ መርበባት ሓበሬታ ኣለዉ። ስለዚ ቅድሚ ኩሉ፡ ሓደ ስእሊ ቅድሚ ምዝርጋሕና ደው ኢልና ንሓንቲ ካልኢት ንሕሰብ። ድሕሪኡ ድማ ነዞም ዝስዕቡ መርበባት ሓበሬታ ተጠቂምና ብዛዕባ እቲ ስእሊ እኹል ሓበሬታ ንምርካብ ንፈትን። ሓደ ስእሊ ናይ ሓቂ ይኹን ናይ ሓሶት ከምዝኾነ ወይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢንተርኔት ከምዝተዘርገሐ ንምርግጋጽ ነዞም ዝስዕቡ መርበባት ሓበሬታ ተጠቐሙ። ቅልውላው ትግራይ: ኣብ ኢትዮጵያ ንመሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ኵናት ዝውዕሉ ዘለዉ ዕሸላት ‘‘ግመ ኲናት’’ ብልሙድ ኣብ ዓውደ ኲናት ዘጋጥም ምድንጋራት ንምግላጽ እንጥቀመሉ ሓረግ እዩ፤ ኩነታት ኢትዮጵያ ምስ እንወስድ ግና ጎናጎኒ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስትን እናገደደ ዝመጸ ውግእ፡ ዝካየድ ዘሎ መሪር ናይ ሓበሬታ ኲናት ንምግላጽ ክውዕል ይኽእል እዩ፡፡ ቢቢሲ ነቲ ‘‘ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፎም ክዋግኡ ተማሪኾም’’ ንዝተባህሉ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ቃለ መሕተት ክገብረሎም ኣብ ቀረባ መዓልቲታት ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብጥንቃቐ እዩ ተቐቢልዎ፡፡ ‘‘ምስ መሓዙተይ ኩዕሶ እናተጻወትኩ እናሃለኹ እዮም፡ ሓይልታት ትግራይ ኣገዲዶም ናብ መስርዖም ዝወሰዱኒ’’ ኢሉና ሓደ ካብ ክልል ዓፋር ብቴሌፎን ዘዘራረብናዮ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡፡ እቲ ጎንጺ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ትግራይ እዩ ተጀሚሩ፤ ኣብዚ እዋን ግና ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣስፋሕፊሑ ድሮ ሓይልታት ትግራይ ንታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ተቖጻጺሮም ኣለዉ፡፡ ‘‘ብሓይሊ እየ ናብ ቅድመ ግንባር ተወሲደ’’ ዝበለና ካልእ ትሕቲ ዕድመ ድማ ኣብ ትግራይ ናይ ዓስራይ ክፍሊ ተምሃራይ ከምዝነበረ ይገልጽ፡፡ ካልእ ጓል 19 ዓመት መንእሰይ ድማ ‘‘ዝኾነ ወታሃደራዊ ስልጠና ኣይተውሃበናን፡፡ ናብ ዓፋር ወሲዶምና፡፡ ናብ ቃልሲ እንድሕሪ ዘይተጸምቢርና ንቤተሰብና ከምዝቐትልዎም ኣፈራሪሖምና’’ ክትብል ተዛሪባ፡፡ እቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት፡ ቅድሚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ዓፋር ምእታዎም፡ ኣስታት 50 ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ብሓይልታት ትግራይ ብኣስገዳድ ተገፊፎም ናብ ኲናት ከምዝኣተዉ ገሊጾምልና፡፡ ኮይኑ ግና ሰብ መዚ ዓፋር ነቶም ትሕተ-ዕድመ ቆልዑ ብቋንቋ ኣምሓርኛ እምበር ብቋንቋ ኣዲኦም ዝኾነ ትግርኛ ቃለ መሕተት ክንገብረሎም ከም ዘየፍቅዱ ምስ ነገሩና፡ ዝኾነ ጸገም ከምዘሎ ከንጥርጥር ጀሚርና። ዳሕራይ ድማ ነቶም ዝተቐድሑ ድምጺ ተጠንቂቕና ደጊምና ምስ ሰማዕናዮም፡ እቲ ዝጠርጠርናዮ ነገር ኣረጋጊጽናዮ፤ ኣብ መንጎ እቲ ቃለ መሕተት ወሃቢ ቃል እቲ ክልል ነቶም ኮተቴ እንታይ ክብሉ ከምዘለዎም ክነግሮም ሰሚዕናዮ፡፡ ተመሳሰልቲ ቃለ መሕተታት ኣብ መደበራት ቴሌቪዥን እታ ሃገር እውን ተሓላሊፎም እዮም፡፡ ዝሰልቸዎም ናይ ካልኣይ ደረጃ ተምሃሮ ዝመስሉ ገሊኦም ድማ ኣብ ኲናት ዝቖሰሉ ዝመስሉን መናእሰያት ብእግሪ እንትኸዱ ኣብ ቪድዮ ተራእዮም፡፡ እቲ ጎንጺ ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብላሊ ዝነበረ ህወሓትን ዝተፈጠረ ምስሕሓብ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ተጀሚሩ፡፡ ወተሃደራት ኤርትራ እውን ንኣብዪ ኣሕመድ ብምድጋፍ ናብቲ ኲናት ተሓዊሶም፡፡ ንሱ ህወሓት ናብ ‘‘ግብረ ሽበራዊ’’ ጉጅለ ተቐዪሩ ኢሉ ይኸሶ፤ ህወሓት ብግዲኡ ናይቲ ፖለቲካዊ ደጀኑ ከምዝኾነ ዝሕሰብ ከባቢ ትግራይ ቅቡልነት ዘለዎ መንግስቲ ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ፡፡ ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ መሊሶም ንከተማ መቐለ ካብ ዝቆጻጸሩ ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህጻናት ንውትህድርና የሰልፉ ኣለዉ እናበለ ክኸሶም ጸኒሑ እዩ፡፡ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ መቐይሮ ነጥቢ እቲ ኲናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓተሞ ዛንታ፡ ትሕቲ ዕድመ ናይ ዝርከቡዎም ወታሃደራት ሓይልታት ትግራይ ስእሊ ለጢፉ ነይሩ፡፡ እቲ ጋዜጣ ‘‘ኣብቲ ኲናት ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ፣ ምጽናት ዓሌትን ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽን’’ ዝደፋፈኦም "ኣዐርዮም ንጡፋት ኣፍላ መንእሰያት’’ ክብል ገሊጽዎም ነይሩ፡፡ ድሕሪ ጸብጻብ እቲ ጋዜጣ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ደገፍቱን ንሓይልታት ትግራይ ህጻናት ኣገዲዶም ንኲናት ብምምልማል፣ ዕጸ ፋርስ ክወስዱ ብምግባርን ናብ ቅድሚት ኵናት ክኣትዉ ብምድፋእን ይኸሱዎም፡፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ህጻናት ኣገዲዶም ናብ መስርዕ ሓይልታቶም የእትዉ ኣለዉ ዝብል ክሲ ይነጽጎ፡፡ ‘‘ዋላኳ 18 ዓመት ናብ ውትህድርና ንምእታው ሕጋዊ ዕድመ እንተኾነ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 17፣18፣19 ዘለዉ መናእሰይ ዝምልከት ጸገም እንተሃልዩ፡ እዞም ቆልዑ ስድረኦም ብሓይልታት ኤርትራ፣ ሓይልታት ኣብይን ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራን ዘይተዘረበ ስቓይ ዝበጸሖም እዮም’’ ኢሉ፡፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ማእክል ጥዕና ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተፈጸመ ዝገልጽ ጸብጻብ ወጺኡ ነይሩ፡፡ ሽዑ ንሽዑ ድማ ልዕሊ 100 ሰባት ብሓይልታት ትግራይ ከምዝተቐተሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ ዓፋር ማሳክር ዝብል ሃሽታግ ክዘዋወር ጀሚሩ፡፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ናይቲ ከባቢ ዶክተር ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ ዝሞቱ 12 ሰባት ናብ ዝሰርሓሉ ሆስፒታል ከምዝመጹ ዝገለጸ ኮይኑ፡ በቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ሰባት ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝህበና ግን ኣይረኸብናን፡፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸሙ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ ምጽራይ ክግበር ከምዝተሓባበሩ ኣፍሊጦም። ጽልምትምት ዝበለ ኲናት ኣብቲ ኲናት ተፈጢሩ ዝሃበል ነገር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ህወሓት፣ ኣብታ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ደገፍቶምን ኣብ ትዊተርን ፌስቡክን ክካሰሱሉ እዮም ዝውዕሉ፡፡ ዳርጋ ንክልተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ስልክን ኢንተርነትን ዕጹው ኮይኑ፡ ካብ ውሽጢ እቲ ክልል ሓበሬታ ምርካብ ኣይከኣልን ዘሎ። መንግስቲ ፌደራል ሓይልታት ትግራይ ነቲ ምቁራጽ ተኹሲ ክሳብ ዝቕበሉ ነቶም መስመራት ከምዘይከፍቶም እዩ ዝገልጽ፡፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓልን ሓይልታት ጸላኢ ካብቲ ክልል ክሳብ ዝወጹን ተኹሲ ደው ከምዘየብሉ ይዛረቡ፡፡ ‘‘መንግስቲ ፌደራል ሓበሬታ ኣብ ምቁጽጻር እዩ ዘተኩር፤ መራሕቲ ትግራይ ድማ ብዝኾነ መንገዲ ፕሮፖጋንዳ ካብ ምጥቃም ክኽልከሉ ኣይኽእሉን፡፡ ብተወሳኺ መን እንታይ ገይሩ ዝብል ኣብ ምቅላዕ ሚድያታትን ሲቪል ማሕረሰባትን ኢትዮጵያ ድኹማት እዮም፡፡ ‘‘ስለዚ ነቲ ኣብዚ ኲናት ዘሎ ጽልግልግ ዝበለ ኩነታት ኣበርክቶ ዝገብሩ ዝተሓዋወሱ ረቛሒታት ኣለዉ’’ ይብል ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ላዕለዋይ ተንታኒ ኢትዮጵያ ዊልያም ዳቪሰን፡፡ ኣብታ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከምዝርከቡ ሰብ ሞያ ዝገልጹላ ትግራይ፡ ምብጻሕ ረድኤት እውን ኣካል ዓውደ ኲናት ሓበሬታ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ፡፡ ኣብ 1 ሓምለ ካብቶም ሓገዝ ናብ ትግራይ ዝኣትወሎም መገዲታት ሓደ ንምዕራባዊ ትግራይ ወሳኒ ዝነበረ ድልድል ተከዘ ምስፈረሰ፡ መንግስቲ ፌደራል ንህወሓት እዩ ተሓታቲ ገይሩ፡፡ ዊል ዳቪሰን ግን እዚ ማይ ዝዓቁር ከምዘይኮነ እዩ ዝገልጽ፡፡ ‘‘ሓይልታት ፌደራል ምስኣዝለቑ ሓይልታት ትግራይ የጥቅዑ እዮም ነይሮም፤ ምዕራብ ትግራይ ክቆጻጸሩ እዮም ዝደልዩ፤ ንሓገዝ፣ ንግድን ጠቐምቲ ኣገልግሎታትን ተበጻሕቲ ክኾኑ እዮም ዝደልዩ፡፡ ከመይ ኢሎም ወሳኒ መሳገሪ ሩባ የዕንዉ?’’ ክብል ይሓትት፡፡ ‘‘ሓይልታት ኣምሓራን ፌደራልን ብኣንጻሩ ምስኣዝለቑ ንትግራይ ክቖርጽዋ እዮም ዝፍትኑ ነይሮም፤ ምዕራብ ትግራይ እውን ክሕዙ ይደልዩ ነይሮም፡፡ ስለዚ ነቲ ድልድል ንምዕናው እኹል ምኽንያት ነይሩዎም’’ ኢሉ፡፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎምን ብሚልዮናት ተፈናቒሎምን እዮም፡፡ ክልቲኦም ወገናት ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም፡፡ ኣብ ቀረባ ሓይልታት ትግራይ ብዙሓት ከባቢታት ድሕሪ ምሓዞም፡ ኣብዪ ኣሕመድ ‘‘ኩሎም ዕድሚኦም ዝፈቕደሎም ኢትዮጵያውያን’’ ናብቲ ቃልሲ ክኸቱ ጸዊዑ እዩ፡፡ ፖለቲካዊ ዘተ ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እዩ ዝመስል፡፡ ኣቲ ናይ ሓበሬታ ኲናት እውን እንተኾነ ናይ ምዝሕሓል ምልክት የብሉን፡፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ "እቲ ብዋልታ ዝተሓላለፈ መግለጺ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመ ውዲት እዩ" ዋልታ ኢንፎርሜሽን ማእከል ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ህይወቶም ከምዝሓለፈ ብምግላጽ ዝጠቐዖ ዘይሓቃዊ ሓበሬታ፡ ካብ'ቲ ትካል ኣፍልጦ ወጻኢ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ። መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ሃገራዊ ማዕኸን ዜና ዘመሓላለፎ 'ስኑዕ' ሓበሬታ "ብኣጋጣሚ ዝተፈጥረ ጌጋ ዘይኮነስ ኮነ ተባሂሉ ንህዝቢ ትግራይ ንምስኳን ዝተሰርሐ ውዲት" ከምዝኾነ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ከሳ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊጸን። እቲ ትካል ሚድያ ቅድም ክብል ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ንክፍጸም ክሰርሕ ከምዝጸንሓ ወሲኸን ሓቢረን። ካብ ሓደ ናይ ህዝቢ ሚድያ ትጽቢት ዘይግበር ተግባር ምዃኑ ዝገለጻ ወይዘሮ ሊያ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ጉዳይ ዕሽሽ ኢሉ ከምዘይሓልፎን ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድን ኣረዲአን። ወይዘሮ ሊያ፡ ዶክተር ድብረጽዮን ምስ ሙሉእ ጥዕና ኣብ ስሩዕ ስርሑ ከምዝርከብ'ውን ተዛሪበን። ዋልታ ኢንፎርሜሽን ማእከል ቅድሚ ደቓይቕ ኣብ ፌስ ቡክ ገጹ፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ህይወቶም ከምዝሓለፈ ብምግላጽ ዝጠቐዖ ሓበሬታ፡ ካብ'ቲ ትካል ኣፍልጦ ወጻኢ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ይቕሬታ ሓቲቱ እዩ። እቲ ስኑዕ ዜና ብኸመይ ኣገባብ ኣብ ናይ'ቲ ትካል ፌስ ቡክ ገጽ ክወጽእ ከምዝኸአለ ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብ ድማ ሓቢሩ። እንተኾነ፤ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ንምዝርራብ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ስልኪ ተደዊሉ ከምዘይለዓል፡ ወይዘሮ ሊያ ገሊጸን። ቢቢሲ ትግርኛ'ውን ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዋልታ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን። ዛንታ ዓሰርተ ቆልዑ ከም ዝተገላገለት ዝተነግረላ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣደ ሓሶት እዩ ተባሂሉ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ጎስያም ሲቶል ዝተባህለት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣብ ሓደ እዋን 10 ዕሸላት ከም ዝተገላገለት ዝተነግረ ዜና ሓሶት ምዃኑ ሓደ ወግዓዊ መርመራ ኣረጋጊጹ። ኣብ ዞባ ጋውተን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት 10 ቆልዑ ዝወለደት ኣደ ከም ዘየላ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ሓቢሩ። እቲ ሓበሬታ ንሕክምናዊ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ሲቶል ኣብ ቀረባ እዋን ጥንስቲ'ውን ኣይነበረትን ኢሉ። እታ ጓል 37 ዓመት ኣብዚ እዋን ናይ ኣእምሮ ጥዕና ክትትል ይግበረላ ኣሎ። መበገሲ ናይቲ ዝተፈብረኸ ዜና እንታይ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣይሓበረን። እቲ ነቲ ዜና ፈለማ ዝዘርግሐ ብ 'ኢንዲፐንደንት ኦንላይን' (ኣይኦኤል) ዝውነን ማዕከን ዜና ፕሪቶርያ ኒውስ ግና እቲ ዜና ስኑዕ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ንጸብጻብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ነጺጉዎ ኣሎ። እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ፡ ሲቶል ነቶም 10 ማንታ ብ7 ሰነ ኣብ ስቲቭ ቢኮ ኣካዳሚክ ሆስፒታል ፕሪቶርያ ከም ዝወለደቶምን እቲ ሆስፒታል ነቲ ኩነታት ድልው ከም ዘይነበረን ገሊጹ። እቲ ሆስፒታልን ሰብ መዚ እቲ ከባብን ነቲ ዝነበረ ሕክምናዊ ሸለልትነት ክሸፋፍኑ ይፍትኑ ኣለው ክብል'ውን ከሲሱ። "እቲ ክስታት መሰረት ዘይብሉ ሓሶት እዩ፤ ንጽቡቕ ስም ስቲቭ ቢኮ ኣካደሚክ ሆስፒታልን ዞባዊ መንግስቲ ጋውተን ንምድዋን ዝተገብረ እዩ" እዩ ዝበለ መግለጺ እቲ ዳሕረዋይ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማዕከን ዜና ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ኣብሪሁ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣይኦኤል፡ እቶም ሲቶልን በዓልቤታን ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበርዎ ጻንሒት፡ ሸሞንተ ማንታ ክወልዱ ይጽበዩ ምህላዎም ተነጊሩ ነይሩ። እቲ ማዕከን ዜና 8 ሰነ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሲቶል ዓሰርተ ማንታ ከም ዝተገላገለት ንበዓልቤታ ሚስተር ጾቴሲ ብምጥቃስ ጸብጺቡ። ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ናብቲ ሆስፒታል ክኣቱ ከም ዘይከኣለ ዝሓበረ ጾቴሲ፡ በዓልቲቤቱ ብቴለፎን ከም ዝሓበረቶ ተዛሪቡ። ሽዑ ካብቲ ሆስፒታል መረጋገጺ ክረክብ ዝፈተነ እቲ ማዕከን ዜና ክሰልጦ ኣይከኣለን። ብድሕሪ'ዚ ከንቲባ እታ ከተማ፡ ሓንቲ ሰበይቲ 10 ማንታ ከም ዝተገላገለት ብምርግጋጹ፡ ቢቢሲ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ነቲ ጸብጻብ ዘርጊሖምዎ። ድሒሩ ሓደ ኣፈኛ መንግስቲ ግና፡ እቲ ከንቲባ ዛጊት ነቶም ቆልዑ ከም ዘይረኣዮምን ካብቶም ወለዲ ብዝሰምዖ ጥራሕ ከምኡ ከም ዝበለ ሓቢሩ። እቲ ዜና ድሕሪ ምቅልሑ ነታ ስድራ ንምሕጋዝ ብዙሕ ናይ ገንዘብ ሓገዛት ክውሕዝ እንከሎ፡ ኣቦ መንበር ኣይኦኤል ብወገኑ 70 ሽሕ ዶላር ወፍዩሎም እዩ። እንተኾነ እቲ ማዕከን ዜና ንምውላድ እቶም 10 ማንታ ኣብ ዝጸብጸበሉ፡ ኣበየናይ ሆስፒታል ከም ዝነበረ ብዘይምሕባሩ፡ ጥርጣረታት ክለዓል ጀሚሩ። ኣብ ጋውተን ዝርከባ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ድማ ምስቲ ዜና ዘራኽብ ከም ዘይብለን ክዛረባ ጀሚረን። እቲ ዜና ድሕሪ ምዝርግሑ ድሕሪ 10 መዓልትታት፡ ኣይኦኤል እታ ሰበይቲ ኣብ ስቲቭ ቢኮ ኣካዳሚክ ሆስፒታልን ከም ዝተገላገለት ሓቢሩ። ብድሕሪ'ዚ ሚስተር ጾቴሲ በዓልቲ ቤቱ ከም ዝተሸረበት ብምግላጽ ሰባት ዝገብርዎ ዘለው ሓገዝ ከቋርጹ ክጽውዕ እንከሎ፡ ሲቶል ግና በዓልቤታ ካብ ምውላድ እቶም ቆልዑ ክኸስብ ከም ዝፈተነ ምዝራባ ፕሪቶርያ ኒውስ ጸብጺቡ። ኣብዚ እዋን ሲቶል፡ ሕክምናዊ መርመራ ክግበረላ ኣብ ሆስፒታል ከም እትርከብ ሰብ መዚ ጋውተን ገሊጾም። ጓላ ሓራ ክተውጽእ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓጽያ ዝቐረየት ኣሜሪካዊት ኣደ ኣብ መጀመርታ፡ ኣሜሪካዊት ኣደ ካርሊ ሞሪስ፡ ምስታ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓላ ታላ ናብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣተወት ኩሉ ጽቡቕ ይመስል ነይሩ። ስዑዳዊ ኣቦ ጓላ፡ ንስኮላርሺፕ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ተፋሊጦም ሓዳር ገይሮም ነይሮም። ደሓር ተፋቲሖም። ንሱ ንሓጺር ዕረፍቲ ናብ ስዑዲ ንክትመጽእ ኣእሚንዋ። ወለዱ ንመጀመርታ ግዘ ምስ ጓል ወዶም ክራኸቡም ምእንቲ፡ ንኽልቲአን ናይ ሰላሳ መዓልቲ ቪዛ ኣዳልዩለን። ካርሊ ስምዒታ ክርበሽ ዝጀመረ፡ ናብቲ በዓል ቤታ ነበር ንዓኣን ንታላን ዝሓዘለን ሆቴል ክትኣቱ ከላ እዩ። እቲ ክፍለን መስኮት ወይ ኢንተርነት የብሉን። ሞባይል’ውን ኣይሰርሕን። ካርሊ ነዊሕ ከይጸንሐት ካልእ ብዙሕ ዘጨንቑ ነገራት ከጋጥምዋ ጀሚሮም። "ድሕሪ ዝመጻእናሉ ሰሙን ንሱ ናይ [ታላ] መውጽኢ ፍቓድ ንምድላው ናተይ ፓስፖርትን ምስክር ወረቐት ልደትን ሓቲቱኒ። ድሒረ ከም ዝፈለጥክዎ እቲ ብሓቂ ዝገበሮ፡ ዜግነታ ናብ ስዑዲ ዓረብ እዩ ቀይርዎ።" ድርብ ዜግነት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣፍልጦ ስለ ዘይብሉ ካብዚ ንደሓር ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዳ ዝዓበየት ታላ ከም ዜጋ ስዑዲ ጥራይ እያ ትቑጸር። እዚ ማለት ድማ ​​ብመሰረት ስርዓት ሞግዚት ደቂ ተባዕትዮ እታ ሃገር፡ ስዑዳዊ ኣቦኣ እንተዘይተሰማሚዑ ካብታ ሃገር ክትወጽእ ኣይትኽእልን እያ። እዚ ድማ ከም ዘይገብር ንጹር ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን። ካርሊ፡ ስዑዳዊ በዓል ቤታ ነበር ንግሆ ንግሆ ታላ ወሲዱ ክሳብ ምሸት ከምዘይመልሳ ትዛረብ። ምሉእ መዓልቲ ኣብ ክፍላ በይና ትውዕል። ዝነበራ ገንዘብ ውሑድ ስለዝኾነ ንሱ ዝገድፈላ ዝተዓሸገ ምግቢ ጥራይ ትበልዕ ነይራ። ካርሊ ንኣስታት ክልተ ዓመት ጓሎም ክትወስድ ለሚና። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ኣባላት ባይቶ ኣሜካን ናብ ካልኦት ክሕግዙዋ ዝኽእሉ ሰባትን ክትጽሕፍ ጀሚራ። እዚ ድማ ነቲ በዓል ቤታ ነበር ከም ዘቖጥዖ ትዛረብ። "ካብ ስዑዲ ወጻኢ ንዝኾኑ ሰባት ሓገዝ ይሓትት ከም ዘለኹ ምስ ፈለጠ፡ ንጓለይ ንኽልተ ወርሒ ጨውዩዋ። ንሱን ስድርኡን ከይተረፈ ካብ ገዝኦም ጠፊኦም። ኣብቲ ዝጠፍእሉ ግዜ፡ ኣላዪ ጓለይ ንምዃን ጥርዓን ኣቕሪቡ።" ኣብቲ ከም ኣካል ናይቲ ናይ ምእላይ መስርሕ ዝቐረበ ወረቓቕቲ፡ ኣቦ ታላ ንጓሉ ከምዝጨወየ ክሒዱ። ካርሊ ካብ ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታት ዝኾነ ሃናጺ መልሲ ድሕሪ ምስኣና፡ ናብ ዋይት ሃውስ ጽሒፉ። ሕጂ'ውን እንተኾነ መልሲ ኣይረኸበትን። ግና፡ ብዝኾነ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ሪያድ ምስ በጽሐ ተስፋኣ ልዕል ኢሉ። ሽዑ’ውን እንተኾነ፡ እንተላይ ናብ ኣብ ሪያድ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ጻውዒት ፍረ ኣየፍረየን። ኣብ ኣሜሪካ፡ እታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ትጭነቕ ዘላ ኣደ ካርሊ፡ ደኒስ ዋይት፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣገዳስነት ስዑዲ ዓረብ ማለት ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካ ስጉምቲ ክወስዱ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ማለት ምዃኑ ክትኣምን ጀሚራ። ስዑዲ ዓረብ ሓንቲ ካብቶም ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳዲ ዓለምና ብምዃና፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ሓያል ፖለቲካዊ ምትእስሳር ኣለዋ። ኣደ ካርሊ ኣብ ካሊፎርንያ ካብ ዝርከብ ገዝኣ ኮይና ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ታላ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዘይከደት ድሕሪ ምሕባራ፡ ብዛዕባ ሕጽረት ትምህርቲ ጓል ጓላ ኣዝዩ ከምዘሻቕላ ሓቢራ። ካርሊ፡ ኣብ ዘይዓበየትሉ ሃገር ኣብ ማእከል ናይ ኣላይነት ሙግት ዝኣተወት ጓላ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ከምዝበጽሓ ስግኣታ ሓዲርዋ’ዩ። "ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ናብዚ ክመጹ ከለዉ ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ክገብራ ኣይክእልን። ምስ ዝኾኑ ጓኖት ኣይትዛረብን እያ። ንስድራይ ቪድዮ ክልእኸሎም እንተፈቲነ ካብ ካሜራ ትሕባእ። ናይ ብሓቂ ማሕበራዊ ኩነታታ የጨንቐኒ ኣሎ።" ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝኣከቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ካርሊ ሓንቲ ካብተን ንዜጋታት ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምምርዓወን ደቀን ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምውጻእ ዝቃለሳ ዘለዋ ኣስታት 50 ኣሜሪካውያን ኣደታት ምዃና ይሕብር። እዚ ድማ ብዙሓት ካብ ካናዳ፡ ብሪጣንያን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ዝመጻ ከይሓወሰ እዩ። ኣብቲ ትካል ትሰርሕ ቢታንያ ኣልሃይዳሪ፡ ንባዕላ ንጓላ ናይ ስዑዲ ዓረብ መውጽኢ ቪዛ ንምርካብ ንኽልተ ዓመታት ጽዒራ እያ። ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኾነት ዝተዓወተት ኣደ ከምዘየላ ትዛረብ። ብዙሓት ካብ ናይ ገዛእ ርእሰን መንግስታት ዘድልየን ሓገዝ ከምዘይረኽባ ተስምር። "ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ'ውን እንተኾነ፡ 'ንነብስኺ ከምዚ ጌርኪ፡ ዝሓሸ ክትፈልጢ ነይሩኪ' ዝብል ስምዒት ኣሎ። ስለዚ በዚ ኣተሓሳስባ ብዙሕ ግዘ ዕንቅፋት ዝገጥመና ኮይኑ ይስምዓኒ።" ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድሕነት ዜጋታት ኣሜሪካ "ዝለዓለ ቀዳምነት" ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምዃኑን፡ እቲ ኤምባሲ ምስ ካርሊን ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብን ስሩዕ ርክብ ከምዘለዎን ሓቢሩ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ቤት-ፍርዲ ሙግት ካርሊ ኣብ መወዳእታ ናይ ታላ ኣላይነት ተዋሂብዋ፡ እንተኾነ ግና ይትረፍ’ዶ ካብ ስዑዲ ካብታ እትሓድረላ ዘላ ከተማ ከይትወጽእ ተነጊርዋ እዩ። ናይ ገዛእ ርእሳ ገንዘብ ስለዘይብላ፡ ኣብ ውሽጢ ክፍላ እስርቲ ከምዝኾነት ትዛረብ። "ኣብቲ እዋን'ቲ ደገ ከይረገጽኩ ክልተ ዓመት ገይረ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ እዚ ክፍሊ ኮፍ ኢለ የሕልፍ። ገጸይ ዝረኣየ ዋላ ሓደ ሰብ የለን... ማዕጾይ ዘንኳሕኩሐ ዝኾነ ሰብ የለን።” ካርሊ፡ ኣብዚ ጉዳይ ድምጻ ካብ ተስምዕ ንደሓር ብሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ "ህዝባዊ ስርዓት ዘሪጋ" ተባሂላ ተኸሲሳ’ላ፡ ዓቃቢ ሕጊ ድማ ከም መቕጻዕቲ ክትእሰር ይሓትት ኣሎ። ካብዚ ዝዓቢ ሓድሽ ስክፍታ እውን ኣጋጢምዋ ኣሎ። ቅድሚ ምስ በዓል ቤታ ምርኻባ፡ ካርሊ እምነታ ናብ እስልምና ቀይራ ነይራ። ካብ ሽዑጀሚራ ብእምነታ ምስ ጸንዐት እያ። ኣላይነት ጓላ ዳግማይ ድሕሪ ምዕታራ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ፡ ኣቦ በዓል ቤታ ነበር ንእምነታ ኰኒና ንስዑዲ ዓረብን ንኹሎም ኣስላምን ኣዋሪዳ ክብል ብወግዒ ከሲስዋ። እዛ ጓላ ናብ ዓዳ ክትመልሳ ስለዘይከኣለት ኣደ፡ ሕጂ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ክፍረዳ ይኽእል'ዩ። እንተኾነ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ነብሳ እያ ትወቅስ። "ኣጠንቂቖሙኒ ነይሮም። ብዙሓት ሰባት፡ ናብታ ሃገር ኣይትእተዊ። እንተኣቲኺ ጓልኪ ፈጺምኪ መሊስኪ ኣይትረኽብያን ኢሎምኒ ነይሮም። ኣነ ግን ኣይሰማዕኹን... ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣለኹ።" ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብን በዓል ቤት ካርሊ ነበርን ርእይቶ ክህቡ ተሓቲቶም እኳ እንተነበሩ፡ ዛጊድ ግና መልሲ ኣይሃቡን። ‘ሸሞንተ ዓመት ዝለፋዕኹሉ ብምሉኡ ገዲፈ'የ ተመሊሰ’- ተመላሲት ስዑዲ ሽኩሪያ መሓመድ ጓል 19 ዓመት እናሃለወት ብ2006 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] እያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዳ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ንትሽዓተ ወርሒ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዝነበረትን፡ ቅድሚኡ'ውን ኣብታ ሃገር ብዙሕ ጸበባ ከም ዘሕለፈትን ትገልጽ። ሽኩርያ ናይ ክልተ ዓመት ቪዛ ረኺባ ናብ ስዑድያ ምስ ከደት 600 ሪያል እናተኸፈላ ኣብ ሓደ ገዛ ክትሰርሕ ጀሚራ። ኣስራሕታ ግን፡ ንኽልተ ዓመት ምሉእ ቴሌፎን ክትጥቀም ኣይፈቕዱላን ነይሮም። ናብ ስድራኣ ንምድዋል ድማ፡ “እቲ ስልኪ ሰርሐ ኣይሰርሐ” ብዘየገድስ 50 ሪያል ክትከፍል ትግደድ ነይራ። ብኸምዚ ኵነታት ክልተ ዓመት ምስ ሰርሐት መሃያ ክውሰኸላን ስልኪ ምሓዝ ክፍቀደላን ሓተተት። እንተኾነ ሽዑ'ውን ከም ዘይፍቀድ ተነጊርዋ። ሽኩሪያ ካልእ ኣማራጺ ወሲዳ፤ ካብቲ እትሰርሓሉ ገዛ ጠፊኣ ክትከይድ ወሲና። “ክንጠፍእ ዝሕግዘና ሓደ ነቲ ሃገር ዝፈልጦ ዓረብ እዩ። [እቶም ዝሕግዙና ሰባት] ብዙሕ ሪያል እዮም ዘኽፍሉና፤ ደሓር ሰሪሕና ንክንኸፍሎም እምበር ኣብ ኢድና ገንዘብ ኣይነበረናን። ምስ ጠፋእና ኵሉ ሰብ ፅቡቐ ነገር ኣይገጠሞን" ትብል። ዝዀነ ኰይኑ ምስ ጠፍአት ዘጋጠማ ነገር ፍፁም ክትዝክሮ ከም ዘይትደሊ ኣብ ዓᎁቕ ስምዒት ኰይና ነጊራትና። ሽኩሪያ ክትዝክሮ ዘይትደሊ ብዙሕ ‘ስቓይ’ ኣሕሊፋ እያ፤ ብዝተኻእለ መጠን ናብ ሃገራ ሒዛቶ ክትምለስ እትኽእል ገንዘብ'ውን ኣዋህሊላ። እቲ ገንዘብ ድማ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብሓባር ኣብ ዝተኻረዮቶ ገዛ ተቐምጦ ነይራ። ሽኩሪያ ከምትብሎ እቲ ገዛ ዕረፍቲ ክህልዎም ከሎ ዝዓርፉሉ እዩ። ሓደ መዓልቲ ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዕረፍቲ እናሃለዉ ሃንደበት ፖሊስ ማዕጾ ሰይሮም ይኣትዉ። “ከይተዳለኹ፥ ዝኾነ ነገር ከይሓዝኩ መፂኦም ሒዞምና ወፂኦም። ዕጡቓት ስለ ዝዀኑ ‘እዚ ክሕዝ’ ኢለ ክሓትት ኣይክእልን። ወረቐት ስለ ዘይብለይ መሰለይ ኣይኮነን።” ድሕሪ'ዚ፡ ሽኩርያ ንነብሳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ እያ ረኺባቶ። ልዕሊ 200 ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፃበበ ኩነታት ብሓባር ከም ዝተኣስሩ ትዝክር። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ነፍሰጾራትን ልዕሊ ሓደ ውላድ ዝሓዛ ኣዴታትን ከም ዝነበራ ከምኡ’ውን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወለዳ ከም ዘለዋ ትዛረብ። ካብ ከቢድ ፀገም ንክወጽኡ ነቶም ሓለውቲ ብተደጋጋሚ ይሓትዎም ነይሮም። “ናብ ሃገርና ክንከይድ እንተሓተትና ይወቕዑና፣ መግቢ ይኣብዩና፣ ይቐጽዑና። ‘መንግስትኹም እዩ ዘይደልየኩም እምበር ናትና ፀገም ድዩ?’ እናበሉ ን24 ሰዓታት መግቢ ይኽልክሉና” ትብል። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን ጎንፂ ይፍጠር ነይሩ። እቶም ስደተኛታት ብብሄር ተኸፋፊሎም “ሃይላንድ ማይ መሊኦም ብኡ ይተሃራረሙ . . . . [ሓደ መዓልቲ] ሒሙኒ ደቂሰ እንከለኹ ማይ ዝመልአ ሃይላንድ ኣብ ዓይነይ ዓሪፉ። ግንባሮም ዝተፈግኡ ነይሮም። በዚ ምኽንያት ንሳቶም'ውን ናብ ሕክምና እንተኸዱ’ውን ናተይ ዓይነይ ስለ ዝነበረ ብቐንዱ ንዓይ እዮም ክትትል ገይሮሙለይ” ትብል። ሽኩሪያ ከምዚ እናበለት ንሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፀኒሓ። ጉዳይ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያ ዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ይዝረበሉ ነይሩ። ኣብ መንጎ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ 100 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገር ከም ዘእቱ ገሊፁ። ሽኩሪያ እዚ ዕድል ተጠቒማ ናብ ሃገራ እንተተመልሰት እውን ነገራት ከም ዝተፀበየቶም ኣይኰኑን ትብል። መንግስቲ ናብ ሃገር ክመልሶም ካብ ዝሓሰቦም 100 ሽሕ ዜጋታት እቶም 490 ብ21 መጋቢት 2014 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም'ዮም። ካብዛ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 15 ግንቦት 2014 ዓ.ም 25 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ከም ዝተመልሱ ትካል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ኣይ ኦ ኤም) ናብ ቢቢሲ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን መተሓባበሪ ጉዳያት ካብ ስደት ተመለስቲ ኣቶ ኣሳልፈው ኣመዲን መንግስቲ ዝተፈላለየ ሓገዝ ከም ዝገበረሎም እዩ ዝዛረብ። ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕን ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ዝሳተፍሉን ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ሃገራዊ ኮሚቴ ከም ዘሎን፡ እዚ ነቶም ተመለስቲ ካብ መዕርፎ ኣየር ካብ ምቕባል ጀሚሩ ዘለዉ ስራሕቲ ከም ዘተሓባብርን ይሕብር። ኣብዚ ውድብ ስደተኛታት ዓለም እውን ይሳተፍ እዩ። እቲ ትካልን ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር እቶም ተመለስቲ ኣብ ዝዓርፉሎም ማእኸላት ኣገልግሎት ጥዕና፥ ናይ ስነ ኣእምሮ ሓገዝን “ግንዛበ መዕበዪ” ስልጠናታትን ከም ዝህብ ኣቶ ኣሳልፈው ይዛረብ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቶም ተመለስቲ ኣብተን ማእኸላት “ዝተፈለየ ነገር እንተዘይተፈጢሩ” ክሳብ ኣርባዕተ መዓልቲ ከም ዝፀንሑን ናውቲ መግቢ፣ ጽርየት፣ ንቈልዑ ዝዀኑ ሃነጽቲ መግብታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሓገዛት ከምዝግበረሎም ይሕብር። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ናብ ዝመጽእሉ ከባቢታት ከም ዝለኣኹ ብምግላጽ፡ “ነናብ ከባቢኦም ክኸዱ እንከለው ናይ ጁባ ገንዘብ እውን ይወሃቦም እዩ” ኢሉ። “እዞም ሰባት ነናብ ክልሎም ክኸዱ እንከለው ናብ ሕብረተሰብ ተፀንቢሮም ስሩዕ ሂወት ንምጅማር ዘድልዮም ኣድላዪ ሓገዝ ንክግበረሎምን እቲ ሕብረተሰብ እውን ንክድግፎምን ዘኽእሉ ስራሕቲ ኣብቶም ክልላት ምስ ዘለዉ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ብምውዳድ ንሰርሕ ኢና” ይብል። ብካልእ ሸነኽ ናይ ስነ ኣእምሮ ድጋፍ ዘድልዮም ተመለስቲ ካብ ማሕበር ክኢላታት ስነ ልቦና ኢትዮጵያ ብዝተወጻጽኡ ወለንታውያን ኣቢሉ ድጋፍ ከም ዝገበር፡ ኣይ.ኦ.ኤም ይገልጽ። ብተወሳኺ ኣይ.ኦ.ኤም ምስ ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ከምኡ’ውን ዩኒሴፍ ብምትሕብባር ምስ ወለዶም ወይ ምስ ናበይቶም ዝተጠፋፍኡ ህጻናት ናይ ምትእልላሽን ምርኻብን ስራሕቲ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ። እንተዀነ፡ ምስ ብዝሒ ተመለስቲ ክነፃፀር እንከሎ እቲ ዘሎ ሃፍቲ እኹል ከም ዘይኮነ ዝገልፅ ኣይ.ኦ.ኤም ኩሎም ተመለስቲ ዝደልይዎ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ምርግጋፅ ቀሊል ከም ዘይኮነ ይሕብር። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወይ ኣብ ካልእ ቦታ ስድራ፥ ዘመድ ወይ መሓዛ ዘይብሎም ካብ ስደት ዝምለሱ ተወለድቲ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ከዕቑብሉ ዘኽእል ኣገልግሎት “ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ” እቲ ካልእ ፀገም ከም ዝኾነ ኣብሪሁ። ”ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣማኢት ዝቑፀሩ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎም መዕቖቢታት፥ ብርክት ዝበሉ ድማ ኣብ ኣይ.ኦ.ኤምን መላፍንቱን ዘዳለውዎም ቦታታት ኣዕቚቦም ይርከቡ። እንተዀነ ቑፅሪ ዝምለሱ ስደተኛታት ይውስኽ ብምህላዩ፡ ሕጽረት መዕቆቢ ቦታታት ኣሎ” ክብል ገሊፁ። ኣይ.ኦ.ኤም ካብ ስደት ዝምለሱ ብቐፃልነት ንክጣየሹን “ኣናእሽቱ ቢዝነሳት” ጀሚሮም ዓርሶም ክሕግዙን ዘኽእል ሓገዝ ከም ዝገብር ዝገለጸ ኰይኑ እዚ ሓገዝ ግና ምስ ቑፅሪ ተመለስቲ ክነፃፀር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ ክብል ሓቢሩ። ኣስዒቡ ድማ ካብ ስዑዲ ዝምለሱ ሰባት ከምዚ ዓይነት ሓገዝ ናይ ምርካብ ዕድሎም ”ኣዝዩ ትሑት” እዩ ይብል። ብቀፃልነት ሓገዝ ዘይምርካቦም ድማ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ስደት ክወጽኡ ካብ ዘገድዶም ምኽንያታት ከም ዝዀነ ይጠቅስ። ኣቶ ኣሳልፈው፡ እቶም ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ንክስደዱ ምኽንያት ዝዀኖም ቁጠባዊ ጸገማት ፍታሕ ንክረክብ፡ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ዝረኽቡሎም ዕድላት ይመቻችኡ ከም ዘለው ሓቢሩ። ሽኩርያ ድሕሪ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ መበል 27 ዓመታ እያ ናብ ሃገራ ተመሊሳ። ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ስደት ክትጸንሕ እንከላ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምውፃኣን ናብ ሃገራ ብምምላሳን “ኣዝያ ከም ዝተሓጎሰት" ትገልፅ። ይኹን'ምበር ኣብ ስደት ዘሕለፍክዎ ህይወት 'ብባዶ ተባዚሑ' ትብል። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት “ድኻምን መከራን” ኣብ ኢዳ ዝተረፈ እዚ ትብሎ ነገር የለን። “ኣብ ሃገረይ ክሰርሓሉ” ብዝብል ዘዋህለለቶ ገንዘብን ካልእ ሃፍቲን ክትእሰር እንከላ ኩሉ ስኢናቶ። “ኣብኡ ህይወትና ሙሉእ ክንደይ ነገር ኣሕሊፍና ብዝተኽኣለ መጠን ዘዋህለልናዮ ገንዘብ ኣይረኸብናዮን። [ናብ ሃገርና] መፂእና መነባብሮ ክንጅምረሉ ኢልና ኢና ኣዋህሊልናዮ ነይርና። ግን ኣብኡ ባዶ ኣብዚ እውን ባዶ ኰይኑ” ክትብል ሓዘና ትገልጽ። ሕዚ ምስ ጓል ሓፍታ ኰይና ብዘይ ገለ ስራሕ ከም እትነብር እትገልፅ ሽኩሪያ “ንቀፃሊ እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጥን። ብባዕለይ ዝጅምሮ ኰነ ዝሰርሖ ነገር የለን። ኣብኡ ዘዋህለልክዎ ኣብኡ ተሪፉ'ዩ። ኣብዚ መጺአ እውን ክዳን ክቕይር ዝሓገዘኒ ሓወይ እዩ. . . ብዙሕ መከራ ኣሕሊፈ ዳግም ክወፅእ ምባል ድማ ከቢድ እዩ” ትብል። ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተና “ሽምና መዝጊቦም ዘለና ነገር ሓቲቶምና” ዝበለት ሽኩርያ “ክንድውል ኢና” ካብ ምባል ዝዘለለ ዝተገብረላ ሓገዝ ከም ዘየለ ትዛረብ። ናብ ኢትዮጵያ ካብ እትምለስ ክልተ ወርሒ ከም ዝዀና እትዛረብ ሽኩርያ፡ ኣብ ዓዲ ነገራት ክልወጡ እዮም ዝብል ተስፋ እኳ እንተነበራ ሕጂ ግን ተስፋታት ከም ዝተመናመነ እያ ትዛረብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ‘ፈጠራ’ ክብል ነጺጉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተመለሱ ተወለድቲ ትግራይ ማእሰርትን ምንክልባትን ይገጥሞም ኣሎ ንዝብል ጸብጻብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ነጺጉ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እዚ ክሲ ሂዩማን ራይትስ ዎች “ፈጠራ’ዩ” ኢሉ። “ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ድርሰታት ኣለውዎ” ዝበለ እቲ ኣምባሳደር እዚ ጸብጻብ “ሓደ ካብ’ቶም ድርሰታት እዩ” ኢሉ። ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ቅድሚ ክልተ መዓልትታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝተመለሱ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣሲሮም ከምዘጋፍዕዎም ገሊጹ እዩ። እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት እቶም ተመለስቲ ስደተኛታት ማእሰርቲ፣ ምንክልባት ከምዝተገበረን ዝርከብሉ ቦታ ከምዘይፍለጥን ብምምልካት፡ መንግስቲ ስዑዲ ነቶም ስደተኛታት ዝሕዘሉ ኣሰቃቒ ኩነታት ከመሓይሽን ናብ ኢትዮጵያ ምስጓግ ደው ከብልን ሓቲቱ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጸብጻብ እቲ ትካል “ኣካል እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ እዩ” ኢሉ። ሂዩማን ራይትስ ዎች እቶም ካብ ስዑዲ ዝተመለሱ ተጋሩ ዝገጠሞም ምንክልባት ብዝምልከት ካብኣታቶም ን23 ከምዘዘራረበ ብምጥቃስ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ሰመራ ዓፋር፣ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሾኔ፣ ኣብ ኦሮምያ ጂማ ኣብ ዝርከቡ መጽንሒ ቦታታት ተታሒዞም ምጽንሖም ከምዝሓበሩ ገሊጹ። እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸብጻቡ ከምዘመልከቶ ነቲ ጉዳይ ብምጥቃስ ምላሽ ንምርካብ ንመሪሕነት ኮምሽር ስግኣት ሓደጋ፣ ንፌደራል ፖሊስ፣ ዋሽንግተን ንዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብን ንሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስዑዲ ብደብዳበ ዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ከምዘይረኸበ ኣረዲኡ። ብዛዕባ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓተተ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ “ብከባቢ፣ ብመንነት ዝተፈለየን ዝተጎድአን ሰብ ኣይነበረን። ከምኡ ዓይነት ኣሰራርሓ’ውን ኣይነበረን” ክብል ነጺግዎ። እቲ 14 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ተጋዲዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ምንክልባትን ማእሰርትን የጋጥሞም ምህላዉ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝርከብዎም ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጸብጻባቶም ኣስፊሮም እዮም። ቅድሚ ሕጂ፡ መንግስቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ኣብ ቀይዲ ዝኣትው ሰባት ብመንነቶም ዘይኮነ ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለታት ርክብ ከምዘለዎም ተጠርጢሮም እዮም ምባሉ ይዝከር። ኣመሪካ፡ ልኡል ስዑዲ ዓረብ ንቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጣ ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ እቲ ብ2018 ዝተፈጸመ ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ከም ዘጽደቐ ሓደ ጸብጻብ ስለያ ኣመሪካ ሓቢሩ። እዚ ብምምሕዳር ባይደን ዕላዊ ዝተገብረ ጸብጻብ፡ እቲ ልኡል ጋዜጠኛ ካሾጊ "ንክትሓዝ ወይ'ውን ንክቕተል" ዝወጽአ መደብ ኣጽዲቑ ይብል። "ብመሰረት እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝተፈጸመ ስርሒት ክትሓዝ ወይ ክቕተል መምርሒ ከም ዘጽደቐ ግምት ኣለና" ኢሉ ዳይሬክተር ስለያ ኣመሪካ። እቲ ጸብጻብ፡ ልኡል ስዑዲ እቲ ስርሒት ኣጽዲቑ'ዩ ዝበለለሎም ሰለስተ ምኽንያታት ክዝርዝር እንከሎ፥ ስዑዲ ዓረብ ግን፤ "ኣሉታዊ፣ ግጉይን ተቐባልነት ዘይብሉን" ክትብል ነቲ ጸብጻብ ነጺጋቶ። ተቓዋሚ ወራሲ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝዀነ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቕመጥ ጀማል ካሾጊ፡ ብ2 ጥቅምቲ 2018 እዩ ኣብ ከተማ እስታንቡል ናብ ዝርከብ ኢምባሲ ስዑዲ-ዓረብ ክኣቱ ንመጨረሻ ግዜ ተራእዩ። ትካላት ስለያ ኣመሪካን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብን፡ እቲ ቅትለት ብትእዛዝ ልኡል መሓመድ ቢን ሳላማን ዝተፈጸመ ከይኰነ ከም ዘይተርፍ ዘመልክት ሓበሬታ'ኳ ክህቡ እንተጸንሑ፡ መንግስቲ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ግን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ክነጽጎ ጸኒሑ። እዚ ኣብ ሓደ እዋን ኣማኻሪ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብን ንስድራ እቲ ንግስነት ናይ ቀረባ ሰብን ዝነበረ ወዲ 59 ዓመት ጋዜጠኛ፡ ብ2017 ስደተኛ ኮይኑ ኣብ ኣመሪካ ክነብር ጀሚሩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ሓደ ዓምዲ ሒዙ ንፖሊሲታት ልኡል መሓመድ ዝነቕፉ ጽሑፋት ወርሓዊ ክጽሕፍ ጸኒሑ። ሰብ መዚ ስዑዲ እቲ ቅትለት ነቲ ጋዜጠኛ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ክመልሱዎ ብዝተልኣኹ ጉጅለ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ ክኹንኑዎ ጸኒሖም። ቤት ፍርዲ እታ ሃገር'ውን ኣብ መስከረም 2019 ሓሙሽተ ገበነኛታት ኮይኖም ረኺበዮም'የ ንዝበሎ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ን20 ዓመት ክእሰሩ ፈሪዱ። ንቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ጠሚቱ ድሕሪ ዝወጽአ ጸብጻብ ትካል ስለያ ኣመሪካ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣንቶኒ ቢሊከን "እገዳ ካሾግጂ" ዝሰመዮ ስጉምቲ ምኽልኻል ጉዕዞ ዕላዊ ገይሩ። እዚኦም "ብቐጥታ ብሕግታት እታ ሃገር ኣብ ዘይፍቀዱ ተጻረርቲ ተግባራት ዝሳተፉ ዝነበሩ" ምዃኖም ብምግላጽ፡ "ንተቓወምቲ ዒላማ ዝገበሩ ገበናት ዝፍጽሙ ገበነኛታት ኣብ መሬት ኣመሪካ ክበጽሑ ክፍቀደሎም ኣይግባእን" ብምባል ኣጠንቂቑ። ብተወሳኺ ቤት ጽሕፈት ግምጃ ኣመሪካ፡ ንሓደ ካብ ቐረባ ተሓጋገዝቲ እቲ ልኡል ዝኾነ ምኽትል ስለያ ዝነበረ ኣሕመድ ኣሲሪን ሓደ ኣብ ቕትለት ካሾጊ ዝተሳተፈ ሓላዊ እቲ ልኡልን ኣጊዱ። ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዓለም እታ ዝለዓለ ነዳዲ እተቕርብን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘላ ቐንዲ መሓዛ ኣመሪካን እያ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕግን ስዑዲ ዓረብ ጽኑዕ መርገጺ ክወስድ ትጽቢት ይግበር። ብሓሙስ ምስ ንጉስ ሰልማን ብቴሌፎን ኣብ ዝነበሮ ዘተ'ውን "ኣመሪካ ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላትን ልዕልነት ሕግን ዘለዋ ተገዳስነት ኣረጋጊጽሉ'ዩ" ክብል ዋይት ሃውስ ገሊጹ። ብተወሳኺ ምምሕዳር ባይደን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ስምምዕ መሸጣ ኣጽዋር ክስርዞ መደብ ከም ዘለዎ ሮይተርስ ጸብጺቡ። ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ መፃብቦ ሞት ዝርከቡ ስደተኛታት፡ "ብፍሉይ ክንገብሮ ንኽእል ነገር የለን" እቶም ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንምባል ኣብ ዘሰክፉ ቦታታት ተዳጉኖም ኣብ መፃብቦ ሞት ዝርከቡ ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዛጊድ ንኣውያቶም ሰማዒ ካብ ዘይረኽቡ ሰለስተ ወርሒ ተቖፂሩ። ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ድማ፡ ምግዓዝ እዞም ስደተኛታት ንፌደራል መንግስቲ ከም ዝምልከትን፡ ኣብ ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ምንም ክገብር ከም ዘይኽእልን ንቢቢሲ ገሊፁ። ቢቢሲ፡ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኩነታት እቶም ኣብ የመን ካብ ሞንጎ ክልተ ዓረር ተሪፎም ናብ ስዑድ ዓረብ ኣትዮም ኣብ መስካሕክሒ ቦታታት ተዳጉኖም ዝርከቡ ስደተኛታት ጸብጺቡ'ዩ። "ኣብ ሽቓቕ ንድቅስ፣ ኣብ ሽቓቕ ንበልዕ፣ ካብ ሽቓቕ ማይ ንሰቲ። እታ ማይ'ውን ኣብ ሳልስቲ ሓንሳብ እያ ትመፅአና። ሕዚ ዝረድኣና ሰብ የለን። እቲ እንነብረሉ ዘለና ቦታ ይትረፍ ክትድቅሰሉ ንምርኣዩ እውን ዘፅልእ እዩ" ብምባል እቲ ዝርከብሉ ሃለዋት ተዛሪቦም። ሻቡ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት፡ ህይወት ሸውዓተ ሰባት ዝጠፍአ ኮይኑ እቲ ሓደ ብኣካላት ፀጥታ ስዑድ ዓረብ ዝተቐተለ ነይሩ። "ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰለስተ ሰብ ሞይቶምና ሱቕ ኢሎም ተጓሒፎም ኣለዉ። ሕዚ ባዕሉ ሓደ ክመውት ዝቐረበ ሰብ ኣሎ። ንዓና ዝረድእ ሰብ መን ምዃኑ ኣይንፈልጥን፤ መፍትሒ ስኢንና። ነዚ ትሰምዑ በይዛኹም ርድኡና። ካብዚ ሞት ኣውፅኡና፤ ኣብ ነብስና ፍታን ይፈሰና ኣሎ" ክብል ተማሕፂኑ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ቆንስላዊ ጉዳያት ኣይተ ዮውሃንስ ሾዴ እቶም ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ገሊጹ ነይሩ። "ካብ ዝቕፅል ሰሙን ጀሚሩ፡ በብተራ ከም ዝግዕዙ እዩ ዘለኒ ሓበሬታ። ብዝሖም ኣብዚ ብዘዳለናዮ መጠን መወሸቢ ማእከል እዩ ዝውሰን። ንኣብነት፡ ኣብ ፈላማይ ዙር 200 እንተምፂእና፡ ንሳቶም ን14 መዓልቲ ተወሺቦም ተመርሚሮም ናፃ ምዃኖም ተረጋጊጹ ምስ ወፅኡ ድማ፡ እቶም ዝተረፉ ክነግዕዞም ኢና" ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ ነይሩ። ሕዚ'ውን፡ ኩነታት እቶም ስደተኛታት ለውጢ ከም ዘይብሉ ዝዛረብ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣመራርሓ ኮምዩኒቲ ኢትዮጵያ ንዝኾነ ኣይተ መሓሪ በላይ፡ "ዋላ ሓደ ዝተገበረ ነገር የለን" ኢሉ። "እዞም ዜጋታት ካብ የመን እንትመፅኡ ክዳን የብሎምን፣ ጫማ የብሎምን። ሓንቲ ካናቲራ ተኸዲኖም እዮም መፂኦም። ሓንቲ ካናቲራ ተኸዲኖም ንሰለስተ ወርሒ ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። ኣብ ልዕሊኡ ፅሩይ ምግብን ማይን ኣብ ዘይረኽብሉን ብጣዕሚ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለዉ" ዝብል ኣይተ መሓሪ እቲ ማሕበረሰብ ነቶም ስደተኛታት ንምሕጋዝ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብተን ኣብያተ-ማእሰርቲ ኢልካ ንምፅዋዕ ዘሰክፋ ቦታታት ዝርከቡ ስደተኛታት ኣብ ርስሓትን ጥሜትን ምህላዎም ፍሉጥ እዩ ዝበለ ኣይተ መሓሪ፡ እቶም ዜጋታት ኣብ ልዕሊኦም ጥቕዓት ንከይፍፀም፡ እቲ ኮምዩኒቲ ምስ ኣካላት ፀጥታ ስዑድ ዓረብ ከምዝተረዳድአ ገሊፁ። "ሕዚ ሓደ ሓደ ዝሓመሙ ኣለዉ። ኣብ ጂዛን ዝርከቡ ድማ ኣብ ገፆምን ሰብነቶምን ከም ፈፀጋ ዝዓይነቱ ሽፍ ዝበሎምን ኣለዉ። እዚ ሕማም ተላባዒ ድዩ ኣይንፈልጥን። ኣብ ዶብ ብጥይት ተወቒዖም እግሮም ሓፂን ዝኣተዎምን ኣለዉ። እዚኦም ኩሎም ሕክምና ንክረኽቡን፡ እቶም ወተሃደራት እውን ኣብ ልዕሊኦም ጥቕዓት ንከይፍፁምን ምስቶም ወተሃደራት ተረዳዲእና ኣለና" ይብል። እቲ ማሕበረሰብ ንሕክምና ዝኸውን ገንዘብ ክተኣኻኸብ ከም ዝገበረ'ውን ብምሕባር፡ ፀገም እዞም ስደተኛታት ዘብቅዕ ግና፡ ናብ ኣዲስኣበባ እንትግዕዙ ጥራሕ እዩ ኢሉ ኣይተ መሓሪ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት ልዕሊ 100 ጥራሕ እዩ ኣግዒዙ። እቲ ኮምዩኒቲ፡ ጉዳይ እቶም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ስደተኛታት'ኸ እንታይ ይኹን ክብል ንቆንስላ ኢትዮጵያ ከም ዝሓተተ ኣይተ ድማ ሓቢሩ። "ካብ ዘለዉ ኩሎም ስደተኛታት ዝተወሰኑ እናገበርና ኢና ክነግዕዝ ንኽእል። ኢትዮጵያ እኹል መወሸቢ ዓቕሚ ስለዘይብላ፡ ብቐጥታ ኩሎም ስደተኛታት ክነግዕዝ ኣይንኽእልን" ዝብል ምላሽ ከም ዝተውሃቦም ንቢበሲ ገሊፁ። እዞም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ተጋሩ ከምዝኾኑ እዩ ዝግለፅ። እዚ ድማ ካብ መንግስቶም ፍታሕ ንከይረኽቡ ምኽንያት ከም ዝኾኖም ይኣምኑ። 'ክንፈትሖ ኣብ ዘይንኽእል ነገር ክንፈትሖ ኢና ኢልና ቃል ኣይንኣቱን' ኣብዚ ጉዳይ፡ ንሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ሓቲትና። "ኣብ የመን ይኹን ስዑዲ፡ ብርክት ዝበለ ስደተኛ እዩ እኒሀ። እቲ በብመዓልቱ ዝበፅሖ ዘሎ ጉድኣት እውን ፌደራል መንግስቲ ትኹረት ገይሩ ሓደ መፍትሒ ከምፅእ ኣለዎ ዝብል፡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሓቢርናሉ ኢና። ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ እዩ ዝብል መልሲ እዩ ተዋሂቡና" ትብል። ከም መንግስቲ ክልል ግና፡ መንግስቲ ፌደራል ትኹረት ሂቡ ኣይሰርሐሉን ዝብል ቅዋም ከም ዘለዎም ተዛሪባ። ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ሰለስተ ወርሒ ክሳብ ዝገብር ከም መንግስቲ ክልል ድምፂ ክትኾንዎም ኣይዶንጎኹምን'ዶ? ብስሩ'ኸ ኣብ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ ክኸውን ከሎ ጉዳይ ፌደራል ትብሉ፡ ኣብ ናይ ጉዳይ መረፃን ነባራዊ ኩነታት እታ ሃገርን ግና፡ ክሳብ ሕብረት ኣፍሪቃ ደብዳበ ፅሒፍኩም ክተብቅዑ፡ ዜጋታትኩም ንምምላስ ግና ብኸምዚ መገዲ ኣይከድኩምን፡ ንምንታይ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናላ። ክልቲኦም መንግስታት፡ ነናይ ባዕሎም ስልጣን እዩ ዘለዎም ብምባል፡ ኣብ ጉዳይ እዞም ስደተኛታት ክሳብ ሕዚ መንግስቲ እቲ ክልል ኣይደንጎየን ኢላ። "ንመረፃ ዝምልከት ሕገ-መንግስታዊ መሰል እዩ። ሕገ-መንግስታዊ መሰል ናይ ምርካብ ግዴታ ድማ፡ ናይ ኩሉ ዜጋ እዩ። እዚኣ ግልፂ እያ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተቐመጠ ንፁር ስልጣን ሉኣላውነት ናይ ህዝቢ ክሳብ ዝኾነን ህዝቢ ትግራይ ድማ ብቃልሱ ዘረጋገፆ ስለዝኾነ፡ በዚ ደረጃ እዚ መረፃ ክካየድ ኣለዎ ኢልና ናብ ዝተፈላለዩ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ምኻድና፡ መሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳብ ምግንፃል ዝብል ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝሰፈረ ስለዘሎን፡ ናይ ክልልና'ውን በዓልና ንበዓልና ናይ ምምሕዳር ስልጣን ስለዘለና እዩ" ትብል። ወይዘሮ ሊያ፡ እቶም ስደተኛታት ግን፡ ከም ዜጋታት ብፍላይ ድማ ተጋሩ ብመንነቶም ዝበፅሖም ወፅዓ እንተሃልዩ ክንቃለስ ንኩላትና ዘረዳድእ ኢላ። "ክንፈትሖ ዘይንኽእል ነገር ክንፈትሖ ኢና ኢልና ቃል ክንኣቱ ኣይንኽእልን። እዚ ጉዳይ እዚ ናይ መንግስቲ ፌደራል'ዩ፤ ምስ ናይ ዓለም ዓድታት ርክብ የብልናን። ናብ ዓዶም ምስ መጽኡ ግና፡ ብኸመይ 'ሴትል' ንገብር ዝብል ናይ ክልል መንግስቲ እዩ" ኢላ። ወሲኻ፡ "ፌደራል መንግስቲ ኣይኮነን'ዶ ኣብ ወፃኢ ንዘለዉ ዜጋታቱ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዘለዉ'ውን ከድሕን ዘይከኣለ ለማስ መንግስቲ እዩ ዘለና" ክትብል ነቒፋ። ብሱሩ ግን፡ ስለ ምንታይ ኢኹም ዛዕባታት እናመረጽኹም፡ ንመንግስቲ ፌደራል'ዩ ዝምልከት ትብሉ? እቲ መንግስቲ ዓቕሚ የብሉን ዝብል እምነት እንተሃሊዩኩም ድማ፡ ፍታሕ ካብ ምፅባይ፡ ከምቲ ኣብ ትደልይዎ ጉዳይ ክሳብ ኣፍሪቃ ሕብረት ዝወሰድኩሞ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ዓለም-ለኸ ትካላት ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ሰማዒ ዝሰኣኑ ንምንታይ ድምፂ ዘይትኾንዎም? እቲ መንግስቲ ዓቕሚ የብሉን ዝብል እምነት እንተሃሊዩኩም ድማ፡ ፍታሕ ካብ ምፅባይ፡ ከምቲ ኣብ ትደልይዎ ጉዳይ ክሳብ ኣፍሪቃ ሕብረት ዝወሰድኩሞ፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ዓለም-ለኸ ትካላት ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ሰማዒ ዝሰኣኑ ንምንታይ ድምፂ ዘይትኾንዎም? ንዝብል ሕቶና እንክትምልስ ድማ፡ "ካብዚ ዝሃብክዎ መልሲ ንላዕሊ ካልእ የለን። ናይ ብዙሓት ሕቶ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግና ምስ ካልኦት እናደረብካ ዝመፅእ መነፃፀሪ ፍፁም ተቐባልነት ኣይህልዎን። ካብ ስልጣንና ወፃኢ እንኸዶ ነገር የለን። መንግስቲ ፌደራል ንምንታይ ዜጋታቱ ውሑስ ዘይገብር ዘሎ ዝብል ነገር ክመፅእ ክኽእል ኣለዎ። እንተዘይኮነ ሕዚ ንየመን፡ ንስዑዲ ብፍሉይ ክንገብሮ ንኽእል ነገር የለን"፡ ብምባል ጉዳይ እዞም ስደኛታት "መቐፀልታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምምዝባልን ወፅዓን" እዩ ኢላ። ኣብዚ ጉዳይ፡ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣበይ በፅሐ ክንብል ብተደጋጋሚ ንሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጉዳያት ቆንስላ እታ ሃገር ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ'ውን፡ "ኣብዚ ስራሕ ሕዚ ስለዝተሾምኩን ገና ብደገ ኮይነ ይከታተል ስለዘለኹን፡ ንዳይሬክተር ጉዳያት ቆንስላ እቲ ሚኒስቴር ኣዘራርቡ'ዩ" ኢሉ። እንተኾነ ኣብ ጅዳ ዝርከብ ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ጉዳይ ኮቪድ-19 ዕልባት ክሳብ ዝረክብ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብመሰረት ዘውፅእዎ ድንጋገ፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዘለውዎ ክፀንሑ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ። ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ እኹል ማእኸል መወሸቢ ንምድላው ዓቕሚ ስለ ዘይነበራ ነቶም ስደተኛታት ኣብ እዋኑ ንምግዓዝ ከም ዘይተኽኣለ ሓቢሩ። ኮሮናቫይረስ፡ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ጸገማት ኣለውዋ? ኣብ ሓደ እዋን ንዜጋታት ግብሪ ዘይተኽፍል ተባሂላ ዝተፈልጠት ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ኣቅሑትን ኣገልግሎትን ንዝክፈል ቐረጽ [ቫት] ብሰለስተ ዕጽፊ ከም እተዕብዮ ገሊጻ እያ። እዚ ካብ 5 ሚእታዊት ናብ 15 ሚኢታዊት ክብ ክብል እንከሎ፡ ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጀሚሩ ንዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ወርሓዊ ድጎማ ጠጠው ከተብል እያ። እዚ ድማ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየ ምንካይ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ቁጠብኣ ሃሰያ የውርድ ብምህላዉ ኮይኑ፡ መንግስቲ ካብቲ ዓውዲ ዝረኽቦ ኣታዊ ብ22 ሚእታዊት እንትንኪ፡ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ፕሮጀክታት ደው ክብሉ ገይሩ ኣሎ። መንግስቲ ዝውንኖ ሳውዲ ኣራማኮ ዝተብሃለ ኩባኒያ ነዳዲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝረኽቦ ዝነበረ ዝተጻረየ መኽሰብ ብ25 ሚእታዊት ጎዲሉ። "እዚ ስጉምቲ ወጻኢታት መንግስቲ ንምግዳብን ዝተዳኸመ ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋእን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ። ቁጠባ እቲ ንግስነት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ፤ ናብ ንቡር ንክምለስ ድማ ግዜ ክወስድ እዩ" ይብል ተንታኒ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሚካኤል ስቴፈን። ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓብዪ ጽልዋ የሕድር ብምህላዉ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘይስሩዕ ሞያ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኤስያውያን ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ከም ዝተሃሰዩ ይግለጽ። እዞም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ጽርየቶም ኣብ ዘይተሓለወ ዝተጻበቡ ቦታታት ዝነብሩ ምዃኖም'ውን ይግለጽ። ልኡል ስዑዲ፡ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ኢድ ኣለዎ ዝብል ክሲ ካብ ምዕራባውያን ይቐርበሉ እዩ። እታ ሃገር ዳርጋ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኲናት'ውን ዝጭበጥ ፍረ ኣይረኸበትሉን፤ ብኣንጻሩ ምስ ቀጠር ናብ ውጥጥ ዘእትዋ ዕዳ እያ ኣትሪፋ። ስለዚ ስዑዲ ኣብ ከቢድ ጸገም ድያ ዘላ? ፈለማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጠባ መላእ ሃገራት ዓለም ስለ ዝጸለወ፡ ስዑዲ ዓረብ ካብዚ ዝተፈለየት ክትኸውን ኣይትኽእልን። 320 ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ፈንድ ኢንቨስትመንትን ሃገራዊ ሃብትን ዘለዋ ሃገር እያ። ዓበይቲ ኩባኒያታት ኣማዞንን ጉግልን ተጣሚሮም ዝህልዎም ዋጋ ዘውጽእ መንግስቲ ዝውንኖ ትካል ነዳዲ ሳውዲ ኣርማኮ'ውን ኣለዋ። ካብዚ ቁንጭል ኣቢላ - 1.5 ሚኢታዊት ብምሻጥ፡ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዝተብሃለ ልዕሊ 25 ቢሊዮን ዶላር ገንዘብ ክትረክብ ክኢላ እያ። "ስዑዲ ዓረብ ብዙሕ ነገራት ክጻወር ዝኽእል ዝተሃነጸ ዓቕሚ ኣለዋ" ይብል ካብ 2007-2010 ኣምባሳደር ብሪጣኒያ ኣብ ሪያድ ዝነበረ ዊልያም ፓቴይ። "ከይተጎድኡ ክቕጽሉ ዘኽእሎም ብዙሕ ዝተዓቖረ ሃብቲ ስለ ዘለዎም፡ ዋላ'ውን ዋጋ ነዳዲ እንተነከየ ዕዳግኦም ዝሓሸ ኮይኑ ናይ ምቕጻል ተኽእሎ ኣለዎ" ይብል። ስትራቴጂካዊት ስግኣት ስዑዲ ዓረብ ኢራን እያ። ዝሓለፈ መስከረም፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ታንከር ነዳዲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈጺማ፤ ኣሜሪካ ድማ ንኮማንደር ኢራን ቃሲም ሱሌማኒ ኣብ ጥሪ ቀቲላቶ። ኣብዚ ወርሒ ፔንታጎን ኣብ እዋን ሓደጋ ንምክልኻል ኢሉ ሰዲዱዎም ዝነበሩ ናይ ውግእ ሚሳይላት ኣውጺኡ'ዩ። ውሽጣዊ ስግኣት ዝኾኑ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽን ኣልቃዒዳን ርክብ ኣለዎም ዝበሃሉ ጅሃዳውያን ዕጡቓት'ውን መሊኦም እንተዘይጠፍኡ'ውን ብዝለዓለ ቁጽሪ ግን ነክዮም'ዮም። ግን ስዑዲ ዓረብ ንቕድሚት ከበድቲ ጸገማት ከጋጥሙዋ እዮም። ቁጠባ: ኣብዚ ሰሙን ዝወጽአ መግለጺ ምውሰኽ ቀረጽ ንብዙሓት ስዑዳውያን ጽቡቕ ዜና ኣይኮነን። እቲ ሚኒስትሪ ፋይናንስ'ውን "ዘሕምም ስጉምቲ" ክብል እዩ ገሊጹዎ። 26 ቢሊዮን ዶላር ክዓቑሩ መደብ'ኳ እንተነበሮም፡ ብምኽንያት እዚ ሃንደበታዊ ክስተት ለበዳን ምንካይ ዋጋ ነዳድን፡ ማእከላይ ባንኪ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ ማዕረ እዚ ክዕቆር ዝተሓሰበ ገንዘብ እዩ ከሲሩ። ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 2020 ስዑዲ ዓረብ ናይ 9 ቢሊዮን ዶላር ምጉዳል በጀት ኣጋጢሙዋ። እዚ ግን ነዛ ሃገር ናይ መጀመርትኣ ኣይኮነን። ብግንቦት 1998 ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ጂሲሲ፡ ንጉስ ዓብዱላህ ንመራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ ጥንክር ዝበለ መጠንቀቕታ ሂቡዎም ነይሩ። "ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ 9 ዶላር እዩ። ጽቡቕ ግዜ ዝበሃል ስለ ዝሓለፈ ተመሊሱ ኣይመጽእን። ኩላትና ማዕጥቖና ክነስጥም ይግባእ" ኢሉ ነይሩ። ድሓር ግን ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር በጺሑ ነይሩ። ግን፡ መንግስቲ ብደረጃ ሃገር ፕሮጀክታት ህንጸት ኣየጉደለን ምቑጻር ሰራሕተኛታት'ውን ደው ኣየበለን ነይሩ። ሕጂ ካብኡ ዝተፈለየ ክኸውን ተኽእሎ ኣለዎ። ለበዳ ኮሮናቫይረስን ምንካይ ዋጋ ነዳድን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝነበሩ ፕሮጀክታት ደው ክብሉ ምኽንያት ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ድማ ልኡል ስዑዲ ዓረብ ክሳብ 2030 ከዐውቶ ሒዙዎ ንዝተበገሰ ራኢ ከየተዓናቕፎ ይስጋእ። እቲ መደብ፡ ንዘመናት ኣብ ነዳድን ሰራሕተኛታት ወጻእን ጽግዕተኛ ንዝኾነ ቑጠባ እታ ሃገር ካብዚ ብምንጋፍ፡ ኣብ በረኻ ብ500 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢ ሓዳሽ ከተማ ምህናጽን ዝብል እዩ። እዚ ኣብ መስርሕ ዘሎ ነገር እኳ እንተኾነ፡ ተንተንቲ ግን ወጻኢታት ምንካይን ምድንጓይን ይርኣዮ ኣሎ ይብሉ። ተንታኒ ሚካኤል ስቴፋን "ከቢድ ማህሰይቲ ዝበጽሖ እቲ ናይ ውልቂ ዓውዲ'ዩ። ቑጠባ እታ ሃገር ቀልጢፉ ምምሕያሽ ንከየርኢ ዝገብሮ ካልእ ምኽንያት ድማ እቶም ስራሕ ፈጠርቲ ዝነበሩ መዳያት ክጽለው ጀሚሮም'ዮም" ይብል። ዓለምለኻዊ ቅቡልነት ስዑዲ ዓረብ መቕተልቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንምሽፍፋን ብዝተገበሩ ምንቅስቓሳት ሃሲሱ እዩ። ኣምባሳደር ስዑዲ ኣብ ለንደን ከይተረፈ፡ ነቲ ፍጻመ "ሽምና ዘጸለመ" ክብል ገሊጹዎ እዩ። እቲ ጉዳይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት መዕለቢ ዘይምርካቡን ገለ ጥርጡራት ናጻ ክወጽኡ ምኽኣሎምን፡ ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ከቢድ ነቐፌታ ኣስዒቡ እዩ። ግን ድማ ስዑዲ ዓረብ ብቐሊሉ ካብ ዓለም ክተርሕቖ ዘይትኽእል ዓብዪን ኣገዳስን ቑጠባ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ዓበይቲ ስትራቴጂካዊ ወፈራታት ክትኣቱ ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጻ ነይራ። ንኣብነት ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ብናይ ስነ ምግባር ጉዳያት ብትሪ እትቃወሞ 80 ሚኢታዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኒውካስትል ብጨረታ ክወስድ ዝብል እማመ ኣቕሪባ ነይራ። ካብ ኣሜሪካን ብሪጣኒያን ብእትረኸቦ ደገፍ ኣብ የመን ብእተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝተፈላለየ ሸነኽ ገበናት ኲናት ትፍጽም ኣላ ዝብል ክሲ ይቐርበላ ኣሎ። ኣሜሪካ'ውን ኣካል እዚ ነቐፌታ ኮይና፡ ኣብቲ ዓረባዊ ዓለም ድኻ ንዝኾነት ሃገር ወሲኹ ካብ ምድኻም ወጻእ ካልእ ፍረ ኣይረኸባሉን። ወራሲ ዘውዲ ስዑድን ንርእሱ መራሒ ገይሩ ዝወስድ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን እምነቶም ኣብ ፕሬዝደንት ትራምፕን ፑቲንን እዩ ነይሩ። ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ዓመት ኩሎም ናይ ነዳዲ መስመራት ብምኽፋትን እቲ ዕዳጋ ብምንጋዕን ንክልቲኦም መራሕቲ ብምሕራቕ ኣብ ውሽጣዊ ቁጠብኦም ምንጋዕ ክፈጥር ክኢሉ እዩ። ምስ ኢራን ዘሎ ርክብ ኣብ ዝሑል ኲናት ዘሎ እንክመስል፡ ምስ ቀጠር ቁሩብ ዝተለሳለሰ ምሕዝነት ይርኣይ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ እቲ ልኡል ገለ ማሕበራዊ ናጽነት ንምምጻእ ብዝመስል ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተነቢሮም ዝነበሩ ክልከላታት ክለዓሉ ገይሩ'ዩ። በዚ መሰረት መኪና ክዝውራ፣ ናብ ሲነማ ክኸዳን ብዘይ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ፍቓድ ክንቀሳቐሳን ኣፍቂዱለን። ውሽጣ ውሽጢ ድማ ፖለቲካዊ ዓፈና ይዓርግ ኣሎ፤ ዝኾነ ፖሊሲታት ዝነቅፍን ሕቶ ዘልዕልን "ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት" ብዝብል ተኸሲሱ ይእሰር። ብቤት ፍርዲ ዝውሰን መሕነቕቲ'ውን ይቕጽል ብምህላዉ እታ ሃገር ብርክት ብዝበሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ተሪር ነቐፌታ ይቐርበላ። ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቁጠባ ወሳኒ ተራ ዘለዋ ኮይና እናሃለወት፡ በዞም ባህሪያታ ሓልሓሊፉ መላፍንታ ዝኾና ሃገራት እተፍርሕ መሓዛ ገይረን ይርእያኣ። ወዲ 34 ዓመት መሓመድ ቢን ሳልማን ዘይብዳህ ይመስል። ንወዲ 84 ዓመት ኣቡኡ ንጉስ ሳልማን ብምድጋፍ፡ ኣብቲ ንግስነት ርኡይ ዓቕሚ ንዝነበሮም ሰባት ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ የወግዶም ኣሎ። ብ2017 ዕልዋ ገይሩ ካብ ስልጣን ዘውረዶ ሓው ኣቡኡ ልኡል መሓመድ ቢን ናይፍ ከይተረፈ፡ ሓደ ካብቶም ዝኣሰሮምን ዘዳኸሞምን ነባራት ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ንግስነት እዮም። ዓበይቲን ኣኽረርትን ስዑዳውያን፡ ናይዚ ልኡል ስጉምታትን 'ሕጋውነት ዘይብሎም ፖሊሲታትን' ነታ ሃገር ናብ ሓደገኛ መገዲ ይወስዳ ኣሎ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ማእሰርቲ ብምስጋእ ዘይዛረብ ሰብ ስለ ዝበዝሕ እምበር "ናይ ፍርሒ ድባብ" ዝዓሰሎ ናይ ምንጋር ድልየት ጎሊሑ እዩ ዝርኣይ። እንተኾነ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ብዘለው መናእሰይ ልዑል ተቐባልነት ኣለዎም። ብዙሓት ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ቑጠባዊ ዕድላት ክፈጥረልና ይኽእል እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። እንተኾነ፡ እዞም ሕልምታት ማይ ዝዓኾቱ እንተኾይኖምን ኣብ ዝቕጽሉ 5 ዓመታት ሓድሽ ዕድላት ስራሕ እንተዘይተፈጢሩን፡ እቲ ፍጹም ንጉሳዊ ስርዓት ስዑዲ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ። ስዑዲ ንነበር ሓላፊ ስለያኣ ትሃድኖ ኣላ ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ፡ ዓብዪ በዓል ስልጣን ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ እዩ። ሰኣድ ብፍላይ ድማ ምስ ትካል ስለያ ብሪጣንያ 'ኤምኣይ 6' ብምትሕብባር፡ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምፍሻል እዩ ዝፍለጥ። ኣብዚ እዋን ካብ ስዑዲ ሃዲሙ ኣብ ካናዳ እዩ ተዓቑቡ ዘሎ። ልዑልን ወራሲ ዓራትን ስዑዲ ዓረብ፡ መሓመድ ቢን ሰልማን ግን ነዚ ነበር ሓላፊ ይሃድኖ ከም ዘሎ ይግለጽ። ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እዩ ንውሕስንኡ ብምስጋእ ናብ ካናዳ ሃዲሙ። ወራሲ ዓራት ቢን ሳልማን ግን፡ ንዕኡ ናብ ዓዲ ከምጽእ ብዙሕ ከም ዝጸዓረ እዩ ዝግለጽ። ኣብዚ እዋን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ነበር ሓላፊ ስለያ ጸቕጢ ንምፍጣር፡ ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ ደቁ፡ ብሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር "ተጨውዮም" ምህላዎም ስድርኡ ገሊጾም። በኹሪ ወዱ ካሊድ ኣልጃብሪ ንቢቢሲ ከም ዝተዛረቦ፡ ኦማር ዝበሃል ሓዉን ሳራ እትበሃል ሓፍቱን ንምእሳር፡ 50 ኣባላት ጸጥታ ስዑዲ ብ 20 መኻይን ናብ ገዝኦም ከም ዝመጹ ገሊጹ። ኣብ ሪያድ ካብ ዝርከብ ገዝኦም፡ ምስልታት ዝሓዙ ናይ ሓለዋ ካሜራታት ተነቒሎም ከም ዝተወሰዱ፣ ሓያል ፈተሻ ከም ዝተገበረን፡ 20 ከምኡ ድማ 21 ዝዕድሚኦም ሓዉን ሓፍቱን'ውን ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከም ዝተወሰዱን ተዛሪቡ። ቦኽሪ ውላድ ናይቲ ሓላፊ ነበር፡ ምስ ኣቡኡ ዑቕባ ሓቲቱ ካብ ዝቕመጠላ ሃገረ ካናዳ ኮይኑ እዩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ዘሎ። እዚ ኹሉ ተግባራት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቡኡ ጸቕጢ ንምፍጣር ከም ዝኾነ ይገልጽ። ወሲኹ፡ ሓዉን ሓፍቱን ብህይወት ምህላዎም እኳ ኣይፈልጥን ኢሉ። ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ስዑዲ መልሲ ንምርካብ እኳ እንተጸዓረ፡ ኣይሰመረሉን። ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ ኣብ ትካል ስለያ የገልግል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኣል-ቃዒዳ ንምንብርካኽ ወሳኒ ግደ ከም ዝተጻወተ ይዝረበሉ። ብፍላይ ድማ ምስ ትካላት ስለያ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮ ይግለጽ። ኣብ 2010 ንሱ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ኣውሮጳ ክፍጸም ንዝተወጠነ ከቢድ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘፍሸለ ምንባሩ ይንገረሉ። ኣብ የመን ዝነበረ ክንፊ ኣል-ቃዒዳ፡ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ቦምባታት ብናይ ጽዕነት ነፋሪት ከም ዝጸዓነን፡ እታ ነፋሪት ድማ ናብ ቺካጎ ከም ዝተበገሰት፡ እቲ ቦምባታት ኣብ ውሽጢ መሕተሚ ማሽን ተሓቢኡ ምህላዉን ዝርዝር ሓበሬታ ን 'ኤምኣይ 6' ዘቐበለ ዶክተር ሰኣድ ኣልጀብሪ ምንባሩ ሓደ ናይ ብሪጣንያ በዓል ሞያ ጸጥታ ይምስክር። እቲ ብነፋሪት ዝተጽዓነ ቦምባታት ናብ ቺካጎ ኣትዩ እንተዝነብር፡ ህይወት ኣማኢት ኣመሪካውያን ከጥፍእ ነይሩ እዩ ይብል እዚ በዓል ሞያ ድሕነት። ስዑዲ ንነበር ሓላፊ ስለያኣ ትሃድኖ ኣላ ኣልጀብሪ ብዙሕ ዘይዛረብን ህዱእን ሰብ ኮይኑ፡ ካብ ዩንቨርሲቲ ኤደንበርግ፡ ብ'ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ' ዶክቲሬት ዲግሪ ኣለዎ። ድሕሪ ትምህርቱ፡ ናብ ስዑዲ ተመሊሱ፡ ንትካል ስለያ ስዑዲ ዘበናዊ ኣብ ምግባር ከም ዝሰርሐ ይግለጽ። "ቅድሚኡ፡ ስዑዳውያን ናይ ድሕነት ስራሕ ዝሰርሑ ዝነበሩ ድሑር ብዝኾነ መገዲ ንሰባት እናሳቐኻ ክዛረቡ ብምግባር እዩ ነይሩ። ንሱ ግን ነዚ ኩነታት ቀይርዎ እዩ። ሓበሬታ ብኮምፒዩተር እናጨወኻ ዘበናዊ ናይ ስለላ ስራሕ ምስራሕ ንስዑዲ ዘላለየ ሰብ እዩ ነይሩ" ይብል ሓደ ስሙ ክጽራሕ ዘይደለየ በዓል ሞያ ድሕነት። ኣብ 2015፡ ንጉስ ዓብደላ ምስ ሞተን ሓዉ ሰልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ንግስና ምስ ጨበጠን፡ ንወዱ ወራሲ ዓራት ቢን ሳልማን ድማ ሚኒስተር ምክልኻል ገይሩ ምስ ሾሞን ግን ነገራት ክቀያየሩ ጀሚሮም። መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ነዚ መዝነት ኣይበቅዕን ነይሩ እዩ ዝበሃል። ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ወራሲ ዓራት ቢን ሳልማን፡ ሃንደበት ንስዑዲ ኣብ ኩናት የመን ክትሽመም ዘይብሱል ውሳነ ወሲኑ ተባሂሉ ይንቀፍ። እዚ ክኸውን የብሉን ኢሎም ካብ ዝተኻትዑን ሰማዒ ካብ ዝሰኣኑን ሰባት ድማ፡ ዶክተር ኣልጀብሪ ሓደ ነይሩ። ስዑዲ፡ ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ኩናት የመን ኣትያ መዋጽኦ ጠፊእዋ ከም ዘሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ። መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ካብታ ሃገር ወጻኢ ኮይኖም ንመንግስቲ እታ ሃገር ንዝነቕፉ ሰባት ከም ዝሃድን እዩ ዝግለጽ። ኣብ ቱርኪ ዝተፈጸመ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግጂ ከም ኣብነት ክጥቀስን ብዙሕ ከዘራርብን ዝጸንሐ እዩ። ዶክተር ኣልጀብሪ ብምዕራባውያን ንዘለዎ ተቐባልነት ተጠቒሙ ኣብ ስልጣነይ ጸገም ክፈጥረለይ እዩ ብዝብል፡ ልኡል ቢን ሳልማን ክሰግእ ከም ዝኽእል ተዓዘብቲ ይገልጹ። ነዚ ድማ እዩ፡ ንደቁ ብምጭዋይ ናብ ዓዲ ንክምለስ ከገድዶ ደልዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግለጽ ዘሎ። ኣብ ማላዊ ጃምላዊ መቓብር ድሕሪ ምርካቡ ዜጋታት እታ ሃገር ዝርከቡዎም ኢትዮጵያውያን ተኣሲሮም ብረቡዕ፡ ኣብ ማላዊ 25 ኣስክሬናት ዝሓዘ ካልኣይ ጃምላዊ መቓብር ድሕሪ ምርካቡ፡ ፖሊስ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ ከተማ ካሮንጋ ኣብ ዝርከብ ሕዙእ ጫካ ተሓቢኦም ዝተረኽቡ 72 ኢትዮጵያውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ። ነቶም ኢትዮጵያውያን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምስግጋር ናይ ዝተዋፈረ መርበብ ኣካል እዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዓሰርተ ማላውያን’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ በቲ ክስተት ከምዝሓዘነ ብምግላጽ፡ መንግስቱ ምስ መንግስቲ ማላዊ ብምዃን መርመራ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ። ውጽኢት እቲ መርመራ'ውን ንህዝቢ ክግለጽ ምዃኑ ሓቢሩ። ብረቡዕ፡ ምዚምባ ኣብ ዝተባህለት ወረዳ ኣብ ዝርከብ ሕዙእ ጫካ መንግስቲ፡ ኣስክሬን ኢትዮጵያውያን ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ’ዩ። ፖሊስ ማላዊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብቲ ቦታ ዝተኣከበ መርትዖ፡ እቶም ግዳያት ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ዘርኢ'ዩ" ኢሉ። ወሲኹ ድማ ኩሎም ግዳያት ካብ 25 ክሳብ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ገሊጹ። እቶም፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተው ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት’ውን፡ ንሸነኽ ደቡብ ኣስታት 300 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ጫካ እዮም ተረኺቦም። ካብቲ ከባቢ ዝመጽኡ መንእሰያት፡ ንዓበይቲ ዓዲ ምስ ሓበርዎም እዩ ፖሊስ ሓበሬታ ክበጽሖ ክኢሉ። በዚ ከኣ እዩ እቲ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ። ብሓሙስ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ትማሊ ዝተረኸበ ጃምላዊ መቓብር፡ ካልእ ኣርባዕተ ኣስክሬን ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ። ናብቲ ጃምላዊ መቓብራት ዝተራእየሉ ቦታ ዝተጓዕዘ ሚኒስተር ጸጥታ ውሽጢ ዓዲ ዣን ሰንደዛ፡ ሰብ መዚ፡ ጠንቂ ሞት እቶም ስደተኛታት ንምፍላጥ መርመራ ኣስክሬናት ከካይዱ መደብ ከም ዘለዎም ገሊጻ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ማላዊን ሞዛምቢክን ሬሳታት ስደተኛታት ተረኺቦም ነይሮም። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020፡ ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ሞዛምቢክ፡ ኣብ ውሽጢ ኰንተይነር ናይ ጽዕነት መኪና፡ ኣስክሬን 64 ስደተኛታት ከም ዝረኸቡ ይዝከር። ኣብቲ እዋን፡ እዞም ስደተኛታት ኢትዮጵያውያን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ ሰኣን ኣየር ተዓፊኖም ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይእመን። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ፡ መራሒ እታ መኪና ዝርከቦም ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ነይሮም። እቶም ስደተኛታት ድማ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝወስድ ፍሉጥ መገዲ ዘይሕጋዊ መሰጋገሪ ስደተኛታት ከም ዝነበሩ ተገሊጹ’ዩ። ሰብ መዚ፡ እታ መኪና ክፍትሹዋ ከለው፡ 14 ሰባት ብህይወት ረኺቦም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢ መዕቘቢ ስደተኛታት ማላዊ ብዙሓት ግዳያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ከም ዘለውን ናይ ጉልበት ምዝመዛ ከም ዝበጽሖምን ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ ማላዊ፡ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዓብዪ ብድሆ ኰይኑ ኣሎ። ብቐጻሊ ኣማኢት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተው ስደተኛታት ተታሒዞም ናብ ዝመጽእሉ ይምለሱ’ዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣስታት 140 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ብፖሊስ ማላዊ ተታሒዞም ነይሮም። ካብዚኦም 133 ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ኰይኖም 6 ካብ ባንግላድሽ፣ ሓደ ድማ ካብ ፓኪስታን ዝመጽኡ እዮም። እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ’ዮም። እቶም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ 72 ኢትዮጵያውያንን 10 ማላዊያን ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ምጥሓስ ሕግታት ኢሚግሬሽንን ዝተኣሳሰሩ ዝተፈላለዩ ክስታት ንምምላስ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ፖሊስ ሓቢሩ። መብዛሕትኦም ኣብ ማላዊ ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ ነታ ሃገር፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኤውሮጳ ወይ ኣሜሪካ ከም መተሓላለፊ ዝጥቀሙላ ከም ዝዀኑ ሰበ ስልጣን ሓቢሮም። ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ኲናት ንዝተኣጓጎሉ 'ኢትዮጵያውያን ግዝያዊ ዕቑባ’ ፈቒዳ ጸጥታ ውሽጢ ሃገር ኣመሪካ፡ ኣብ ኣሜሪካ ቅድሚ 20 ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ንግዚኡ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ፈቒዱ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ: ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጎንጺ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይክእሉ ኣብ ግምት ብምእታው ን18 ኣዋርሕ ኣብ ኣሜሪካ ክፀንሑ ዘኽእሎም እዩ። 'ግዝያዊ ዕቑብ ኩነታት' ወይ ‘Temporary Protected Status’: ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከቡን ናብ ዓዶም እንተተመሊሶም ንሓደጋ ክቃልዑ ንዝኽእሉን ዝወሃብ መሰል እዩ። ሚኒስትር ፀጥታ ውሽጢ ሃገር ኣሜሪካ፡ ኣሌሃንድሮ ማዮርካስ፡ "ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጎንጺ ትረርደኦ እያ" ይብል። "ኣብ ጽንኩር ኩነታት ዘላ ሃገር ስለዝኾነት ግዝያዊ ሓለዋ ንዘድልዮም ዕቀባ ክንህብ ኢና" ኢሉ። ንሱ ወሲኹ፡ "ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡን ብሰንኪ ሕፅረት መግቢ፣ ጎንጺ፣ ውሕጅ፣ ድርቂ፣ ምምዝባልን ወይ ሰብኣዊ ቅልውላውን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይኽእሉ ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ኩነታት ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ኣሜሪካ ክጸንሑን ክሰርሑን ይኽእሉ እዮም" ክብል ገሊጹ። ኣመሪካ፡ ሓንቲ ሃገር ወተሃደራዊ ግጭት፡ ተፈጥሮኣዊ ቅልውላው ወይ ካልእ ግዝያዊ ስግኣት ምስ ዘጋጥማ ግዝያዊ ጻንሒት ትፈቅድ’ያ። እቲ ብሚኒስትሪ ጸጥታ ሃገር ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ እቲ ኲናትን ግዝያዊ ስግኣትን ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ከምዝተፈቕደሎም የመልክት። "እቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት፡ ኢትዮፕያውያንን ካብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ግን ዜግነት ዘይብሎም ሰባትን፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይምለሱ የገድዶም'ዩ" ይብል እቲ መግለፂ። ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ንጹሃት ዜጋታት ንጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ዓሌታዊ ጭውያ፡ ስቅያት፡ ከምኡ’ውን ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ ንቕትለትን ዓመጽን ከም ዝተቃልዑ የብርህ። "ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይክእልሉ ምኽንያታት፡ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፣ ድርቂ፡ ሰፊሕ ምምዝባልን ዝተፈላለዩ ሕማማትን የጠቓልል" ክብል ቤት ጽሕፈት ጸጥታ የብርህ። ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያውያን እዚ መሰል ክትፈቅድ ንመጀመርታ ግዜ እዩ። እቲ ፍቓድ፡ ቅድሚ 20 ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉን ኣብኡ ዝነጸንሑን ሰባት ዝምልከት እዩ። ድሕሪ እዚ ዕለት’ዚ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ግን ኣብቲ ፍቓድ ከምዘይካተቱ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣመልኪቱ’ሎ። ኢትዮጵያውያን ነዚ ፍቓድ ክረኽቡ ብቑዓት ኮይኖም እንተተረኺቦም ናይ ፀጥታን ድሕረ ባይታ ምርመራን ሓሊፎም ኣብቲ ፍቓድ ክካተቱ እዮም፣ እዚ ድማ ን18 ኣዋርሕ ዝፀንሕ እዩ። ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ኣብቲ ዝመጽእ ሰኑይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ድልውነቶም ገሊጾም’ዮም። እቲ ኲናት ብዝተፈላለየ ግንባራት እናጸንከረን ቅትለትን ምምዝባልን ሰላማውያን ሰባት እናወሰኸን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘተ ሰላም ክካየድ መደብ ተታሒዙ ዘሎ። ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ቅትለትን ከምኡ’ውን ጥሜት ከም ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ምጥቃምን ከምዝተፈጸመ ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘውጽእዎ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ ኲናት ሰፊሕ ቅልውላው ኣስዒቡ’ዩ። ብሰንኩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥሜት ተቓሊዖምን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎምን’ዮም። እቲ ኲናት እናተባለሐ መስ ከደ፡ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተጋሩ፡ ብሰንኪ መንነቶም ንሃበ-ተረኽበ መጥቃዕትን ማእሰርትን ምቅለዖም፡ ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ይሕብር። ዘይተወድአ ጕዕዞ ህይወት ንጉሰ ሃይለ መንስዓይ፡ ዛንታ ስነጥበብ፡ ቃልስን ስደትን “ኣነ ኣብ ምድረ መንሳዕ ተወሊደ፡ ኣብ ዉሽጢ ስድራቤት መንሳዕ ዓብየ፡ ብሓልዮት ማሕበረሰብ መንሳዕ ተማሂረ፡ ቋንቋና (ትግረ) እናተዛረብኩን ንፋስ ዓደይ እናተወቓዕኩን ስለ ዝዓበኹ፡ እቲ ተዘክሮታት ዓደይን መንነተይን ብኽብሪ’የ ዝዝክሮ” ኢሉ ንጉሰ ሃይለ መንስዓይ ንመንነቱ ገለጸ። ንጉሰ ብ1944’ዩ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ሓድሽ-ዓዲ (ዓዲ ኣደኡ) ተወሊዱ። ቀንዲ ዓዱ ግን ኣብ ኢራ መንሳዕ’ዩ። ተወሳኺ መግለጺ መንነቱን ኣተዓባብያኡን ክካፍለና ተወኪስናዮ። “ኣነ ኣብ ውሽጢ ሓደ ፈቃር ስድራቤት ብኽንክን’የ ዓብየ። ኣብ ከባቢና ኸኣ ብመቕርብና ተኸቢበ’የ ዓብየ ... ስለዚ፡ ዓለመይ ብስድራቤተይን ብመቕርበይን ኣጊጸ’የ ዓብየ ክብል እኽእል። ካብኡ ዝዓቢ ጸጋ የለን ኢለ ኸኣ እኣምን” ብምባል ዕላሉ ይጅምር። ንጉሰ ዕላሉ ልዙብ፡ እቶም ሓውሲ ግጥሚ ዝጥዕሙ ሓረጋቱ ድማ ብሓላል ስምዒት ተሰንዮም ጦብላሕታ ዝገድፉ ‘ዮም ክበሃል ይከኣል። ሰማዒኡ ኸኣ ካብ ኣዘራርባኡ ክኢላ ኣዘንታዊ ምዃኑ ክርዳእ ይኽእል። “ብቘልዓይ ከለኹ ሕፍረት ዘይፈልጥ፡ ተጻዋታይ፡ ዕላለኛ፡ መላገጺ ኔርካ ይብሉኒ። ንኣብነት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺአ ክዋሳእ እዝከረኒ። ‘ኣሰዓስዓ ኣቦኻ እከለ ኣርእየና’፣ ወየከኣ ‘ኣደኻ እከላኸ ከመይ ኢለን’የን ዝበኽያ?’ ክብሉኒ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እኩብ ኰይነ ከይሓፈርኩ ከምዚ ገይሮም’ዮም ዝስዕስዑ፡ ከምዚ እናበላ’የን ዝበኽያ ኢለ እናላገጽኩ ተዋስኦ እሰርሕ ነበርኩ” ኢሉ እናሰሓቐ የዘንቱ። “ኣነ ከም ዝመስለኒ ሓድሓደ ባህርያት ኣቦይ ወሪሰ’የ ክብል እኽእል። ኣቦይ ኣብ ሕብረተሰብና ንጡፍ፡ ተዋዛያይ፡ መዳራይ ከም ዝነበረ እዝከረኒ። ኣዝዩ ፍትው ሰብ ነበረ” ኢሉ ብናፍቘት ይዝክሮም። ብዛዕባ ተዘክሮታት ኣደኡ እንከዕልል ከኣ፡ ኣደኡ ሓያል ግን ፍትሓዊት ከም ዝነበራ፡ ምስአን ዝነበሮ ምትእስሳር ድማ ሓያል ምንባሩ ይገልጽ። ንጉሰ፡ ኣብ ብካቶሊካውያን ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ’ዩ ተማሂሩን ዓብዩን። “መባእታዊ ትምህርትና ኣብ ምሕላብ ብቛንቋ ትግረ ኢና ተማሂርና። ካብኡ ንላዕሊ ትምህርቲ ስለ ዘይነበረ ግን ጸገም ነይሩ’ዩ። ኣነ ግን ዕድለኛ’የ ትምህርተይ ክቕጽል ብምኽኣለይ” ኢሉ ንቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኣዝዩ የመስግን። “ኣብ ምሕላብ፡ ኣብ ሓሙሻይ ክፍሊ ከሎኹ፡ ኣባ ኣጎስቲኖ ዝበሃሉ መምህር ተዋስኦ ብቛንቋ ትግረ ብምድላው ከዋስኡና እዝከረኒ” ይብል ንጉሰ። ርግጽ’ዩ፡ ኣባ ኣጎስቲኖ ተድላ፡ ወይከኣ ኣባ ኣጎስቲኖስ ዘሔቦ፡ ብ1921 ኣብ ሔቦ ተወሊዶም ብ1989 ኣብ ኣስመራ ዝሞቱ ዓቢ ካህን ማሕበር ካፑቺን ነበሩ። ካህን ጥራይ ዘይኰኑስ ሊቅ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ’ዮም። “ኣባ ኣጎስቲኖ ንቛንቋ ትግረ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣጽኒዖም ክምህሩሉን ክፈላሰፍሉን ምኽኣሎም ብዙሕ ሰብ ብኣድናቘት ክዛረበሎም እዝክሮ” ኢሉ ንጉሰ ይገልጾም። ኣባ ኣጎስቲኖ ኣብ ኤርትራ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ኣብ ሕብረተሰብ ካቶሊክ፡ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበሩ፡ ፍሉይ ዓቕምን ብልሕን ዝነበሮም መምህር ነበሩ። ንሶም ብግዜ ደርግ ንሽድሽተ ዓመትን ሽድሽተ ወርሕን ዝተኣስሩ ካህን ነበሩ። ንሶም’ዮም ንንጉሰ ኣብ ዓለም ትያትር ንኽኣቱ መገዲ ዝኸፈትሉ ክበሃል ይከኣል። ንጉሰ ኣብቲ ብኣባ ኣጎስቲኖ ዝተዳለወ ተዋስኦ ክሳተፍ ዕድል ስለ ዝረኸበ፡ ብኡ ኣቢሉ ፍቕሪ ምውሳእ ኣብ ልቡ ዓሰለ፣ ኣብ ዝሰዓበ ክፋል ህይወቱ ድማ - ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ - ማ.ት.ኣ. ድሕሪ ምሕዋሱ ማለት’ዩ - ከም ሞያኡ ገይሩ ክሕዞ በቕዐ። ንጉሰ ናብ ኣስመራ ምስ ገዓዘ ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ቤተ ክርስትያን ኰይኑ ትምህርቱ ቐጸለ። ኣብ እንዳ ኣቡን ካቶሊክ ኰይኑ ክዓቢ ዕድል ስለ ዝረኸበ ድማ፡ ነቲ ዕድል ተጠቕመሉ። እናተማህረ ንኵነታት ኤርትራ ብቐረባ ይዕዘቦ ነበረ። ናይ ምጽሓፍ ሃረርታ ስለ ዝነበሮ ድማ ዓቕሙ ንኸሐይል ህርድግ ይብል ነበረ። ንጉሰ ሓሳቡ ብጽሑፍ፡ ቃል-ብቃል ናይ ምግላጽ ዓቕሚ’ኳ እንተነበሮ፡ ኣብቲ እዋንቲ ሳንሱር፡ ማእሰርቲ’ውን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ንዝነበረ ኵነታት ብተዘዋዋሪ መገዲ ወይ ብጥንቃቐ ዝግለጹ ሓረጋት ተጠቒሙ ናይ ምግልጽ ዓቕሚ ኣጥረየ። ንጉሰ ሃይለ መንስዓይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓንኬላት ኤርትራ ፍሉጥ ዜጋ’ዩ። ንኣብነት፡ ስሙ ምስ ዝጽዋዕ ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማ.ት.ኣ.) ዝነበሮ ተራ ይጥቀስ’ዩ። ማ.ት.ኣ.፡ ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ምፍጣር ዓቢይ ተራ ዝተጻወተ ማሕበር’ዩ - ብሙዚቃን ተዋስኦን ኣቢሉ። ቅድሚ ማ.ት.ኣ.’ውን ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ማሕበራት ባህሊን ሃገራዊ ስምዒት ዝውሕዘሉ መገዲ ጸሪገን’የን፡ ዜማታት ብተምሳሌትን ድርብ-ትርጕምን ዝሓዙ ሕላያት ተጠቒመን ስምዒት ህዝቢ ቀስቂሰን’የን። ኣብ መጀመርታ 60’ታት ብረታዊ ቃልሲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምስ ተጀመረ፡ ምስኡ ኸኣ ሃገራዊ ስምዒት ዝያዳ ክዓቢ ጀመረ። ከም “ሽገይ ሃቡኒ” ወይከኣ “እቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ፡ ትዃን ቁንጪ መሊኦሞ” ዝኣመሰሉ ዜማታት ማ.ት.ኣ. ኣብ ፈቐዶ ባራትን እንዳሻሂን እናገነኑ ስለ ዝኸዱ፡ ሰማዒ ልቡ ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣንቀደ፣ ምናዳ ቀልቢ መንእሰያት። ንጉሰ ከም ዝብሎ፡ ናይ ተወልደ ረዳ ‘ሽገይ ሃቡኒ’ ዝተደርፈትሉ ምሸት ኣብ ትያትር ኣትዩ ንማ.ት.ኣ. ንመጀመርታ እዋን ምስ ረኣዮም፡ በቲ ምርኢት ተመሰጠ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ንኽሕወሶም ሕልሙ ዀነ። “ኣይጸናሕኩን፡ ዋላ’ኳ ብዕድመ ንኡስ እንተነበርኩ፡ ደብዳበ ንኣካየድቲ ማ.ት.ኣ. ጽሒፈ - ንበዓል መም. ኣለማዮ ካሕሳይ (ኣቦ መንበር)፡ መም. ኣስረስ ተሰማ (ተሓዝ ገንዘብ)፡ ኣቶ ኣርኣያ በላይ (መራሕ መደብ) - ክሕወሶም ድሌተይ ከም ዝዀነ ገለጽኩሎም፤ ተቐበሉኒ ኸኣ፡” ብምባል ንጉሰ ይዝክር። “ዋላ’ኳ ኣብቲ እዋን ኣብ ጽንኩር ኵነታት ንንበር፡ እቲ ዘመን’ቲ ብናፍቘት’የ ዝዝክሮ - ንሕና ኤርትራውያን፡ ከምዚ ሎሚ ከይኰነ፡ ሰሚርና ኢና ንሰርሕን ንጓዓዝን ንቃለስን ዝነበርና” ክብል ይውስኽ። ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ፈደረሽን ፈሪሱ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣቦታት ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝመረጽሉ፡ መንእሰያት ድማ ኣንጻር ወለዶም ዝሓከልሉ፡ ብረታዊ ቓልሲ ዝነሃረሉ፡ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብተዓጻጻፊ ዝኻዕበተሉ፡ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ኣብያተ ትምህቲ ኤርትራ ዝተኣታተወሉ፡ ብሓጺሩ ኤርትራ ኣብ መቓቕሮ ዝኣተወትሉ ዘመን ነበረ። ኣብ’ቲ ዘመንቲ ድማ’ዩ “ኣስላማይ ክስታናይ” እናተባህለ ዝተደርፈ። ዳርጋ ኵሉ ኤርትራዊ፡ ኣውራ’ኳ እቲ ዝቐደመ ወለዶ፡ እታ ብኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ዝተደርፈት “ኣስላማይ ክስታናይ” ዘርእስታ ደርፊ ዘይፈልጥ ሰብ የለን ክበሃል ይከኣል። እታ ደርፊ ብንጉሰ ሃይለ መንስዓይ ዝተደርሰት ኰይና መልእኽታን መቓልሓን ሓያል ነበረ። “ኣስላማይ ክርትያናይ ወዲ ቖላ ደጋ፡ ንምኽሪ ጸላኢ ኣይትሃቦ ዋጋ፡ ኣይትሃቦ ዋጋ ከይትኾን ዕዳጋ” ... እናተባህለ ክድረፍ ዘርከቡ ዜጋታት ክሳብ ሎሚ ብናፍቘትን ቅያን ጅግንነትን’ዮም ዝዝክርዋ። ንጉሰ ኣብ ማ.ት.ኣ. ምስ ተሓወሰ እታ ንመጀመርታ ዝደረሳ ተዋስኦ “ጽቡቕ ውሳነ” ዘርእስታ ተዋስኦ ነበረት። ኣብቲ እዋን’ቲ ንጉሰ ብዕድመ ንኡስ ነበረ፣ ዓቕሚ ድርሰታቱ ግን ዓቢ። ኣተሓሳስባኡ ሰፊሕ፡ ዓሚቝ፡ ጠርናፊ፡ ድልየትን ስምዒትን ህዝቢ ኣንቢቡ ኣብ ድርሰታቱ ከስፍሮም ዘኽእል ተውህቦ ስለ ዝነበሮ፡ ክእለቱ ብግቡእ ይጥቀመሉ ነበረ ክበሃል ይከኣል። ትሕዝቶ “ጽቡቕ ውሳነ” ምዕዶ ንመንእሰያት ነበረ። ኣብ ዕንደራን መስተን ዳንኬራን ዝነበሩ መንእሰያት ሓላፍነቶም ብምርሳዕ ግዜኦም ኣብ ዝርጋን የሕልፉዎ ነበሩ። ሓደ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ዕጉስን እርኑብን ዓርኮም ግን ኣብነት ብምዃን ነቶም ብጾቱ ናብ ልቦም ከም ዝምለሱ ገበረ። እታ ተዋስኦ ፖለቲካዊ ሸነኽ ነይሩዋ፣ ነቶም ናይቲ ዘበን መንእሰያት ሃየ ብዕብዳን ኣይትታለሉ ሃገርኩም ኣይትረስዑ ዝብል መልእኽቲ ዝብል። ገለ ካብ መሳቱኡ ንድሕሪት ተመሊሶም ብኣራሚ ባህርያት ዝነበሮም ጽሑፋቱ’ውን ይዝክርዎ’ዮም። ብ60ታትን 70ታትን ኣብ ‘ህብረት’ ዝተባህለ ኣብ ኤርትራ ዝሕተም ዝነበረ ጋዜጣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ማዕዳን ነቐፌታን ዝሓዘሉ ጽሑፋት የበርክት ከም ዝነበረ ዝዝክርዎ ሰባት ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ጾመ ሮሞዳን፡ ህዝቢ ኣብ ዳንኬራን ሳዕስዒትን ክቱር መስተን ጥሒሉ ምስ ረአየ “ሮሞዳን እናበልካ ዕብዳን” ዘርእስቱ ጽሑፍ ኣቢሉ ዓገብ ከም ዝበለ ይዝከር። “እቲ ግዜ ጾም ክኽበር’ምበር ሰባት ክዓብዱ ኣይግድን ስለ ዝበልኩ ሓድ-ሓደ ምትዕርራያት ኣደባት ክርአ እዝከረኒ” ኢሉ ባዕሉ ይምስክር። ንንጉሰ ሃይለ መንስዓይ ዘዘክር ካልእ ኣብነት’ውን ክጥቀስ ይከኣል። ብእዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓላፊ ክፍሊ ሙዚቃ ምንባሩ’ውን ይግለጽ’ዩ። “ኵሎም እቶም ዓበይቲ ደረፍቲ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ምሳይ ነይሮም፣ በረኸት መንግስትኣብ፡ ነጋሽ ተኪኤ፡ ወዲ ገብሩ፡ ተወልደ ረዳ፡ ጸሃይቱ በራኺ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት መንእሰያት” ብምባል ንድሕሪት ተመሊሱ ተዘክሮታቱ ይጽብጽብ። ንጉሰ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝነበረሉ እዋን ብናፍቘት’ዩ ዝዝክሮ። “ሜዳ ከይጸገብናዮ ኢና ተዀሊፍና!” እናበለ ኸኣ ይዛረብ። እቲ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝተፈጸመ በደል ከም ዘይረስዖ’ውን ይዛረብ። “ውግእ ሓድሕድ ንህዝቢ ኤርትራ ሃስዩዎ’ዩ፣ እቲ ናይ ሽዑ ሰለሎ ኸኣ ስምብራቱ ገና ምሳና ኣሎ” ይብል። ንጉሰ፡ “ከመይ ኢልካ ናብ ሜዳ ወረድካ?” ንዝብል ሕቶ ብኸምዚ ይምልስ። ገድሊ ኤርትራ ምስ ዓበየ ናይ ባህልን ልምድን ጕጅለ ንምቍቛም ሓሳብ ኣምጽአ። ንሙዚቀኛታትን ደረፍትን ደረስትን ተዋሳእትን ጠርኒፉ ከሳትፍ ዝኽእል ሰብ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ በቶም ናይ ከተማ ተጋደልቲ ኣቢሎም ክድህስሱ ጀመሩ። እቶም ተጋደልቲ ድማ ናብ ንጉሰ ከዱ። እቲ ዛንታ ነዊሕ’ዩ፣ ሕልኽላኻት’ውን ነይሩዎ’ዩ። ዝዀነ ኰይኑ፡ ንጉሰ ንብጾቱ ኣኪቡ ብዛዕባቲ መደብ ኣካፈሎም። ፈታኒ እዋን’ዩ ነይሩ፣ እቲ ሽዑ ኣብ ኤርትራ ገርጊሩ ዝነበረ ሃገራዊ ስምዒት ብቓላት ክግለጽ ከቢድ ከም ዝነበረ ክሳብ ሎሚ ይዝረበሉ’ዩ። ኤርትራውያን ግን ቈሪጾም ስለ ዝተላዕሉ እቲ ሃገራዊ ስምዒት ሰዓረ። ኣብቲ ዘመን’ቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ካብ መንበሮም ዝለቐቕሉ፣ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ኣብ ስልጣን ዝመጽሉን ዝተቐትለሉን፣ ናይ ወኪ-ዛግር ዕርቂ (ኣብ መንጎ ሻዕብያን ጀብሃን) ዝተቐላቐለሉ፣ ጭካነ ጕጅለ ዓፋኝ (ጸጥታ ኢትዮጵያ) ዝተራእየሉ፣ እሱራት ካብ ሰምበልን ዓዲ ዃላን ብኮማንዶ (ተ.ሓ.ኤ.) ሓራ ዝወጽሉ፣ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኣትዮም ውግኣት ዘካየዱሉ፡ ኣብ ኤርትራ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተበየነሉ፡ ናይ ወኪዱባን ኦምሓጀርን ኣቝርደትን ህልቂታት ዝተኻየደሉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ንሜዳን ሱዳንን ዝወሓዝሉ ... ወዘተ. ዘመን ነበረ። ንጉሰ ኣብ መወዳእታ ’75 ንሜዳ ወረደ። ክብል-ክብል ከኣ እቲ መደብ ስለ ዝሳዕረረ ናይ ባህልን ልምድን ጕጅለ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክትከል በቕዐ። ንጉሰ ምስ ሓዳሩ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት’ዩ ዝነብር። ንበዓል ንጉሰ ብክብሪ ኣብታ ዝተወልዱላን ዝዓበዩላን ዝተቓልሱላን ሃገር ምሓዝ ምተገብአ ነይሩ፣ ክቢ ዑደት ህይወቶም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ዝብሉ ብዙሓት’ዮም። እቲ ካብ ኢራ ጀሚሩ፡ ብምሕላብ ኣቢሉ፡ ብከረን ኣላጊሱ ኣብ ኣስመራ ዝሰገረሉ እዋን ኣይረስዖን። ኣብ ኣስመራ ኸኣ እቲ ምስ ማ.ት.ኣ. ተጸንቢሩ ዘሕለፎ ስሉም እዋን ኣይኰነንዶ ባዕሉ ንጉሰ እቶም ኣብቲ እዋን ምስ ሃገራዊ ስምዒት ዝተፋለጡ ሰባት’ውን ኣይርስዕዎን፣ ክፋል ታሪኾምን ክፋል ታሪኽ ኤርትራን ስለ ዝዀነ። ብኻልእ ሸነኹ፡ ንጉሰ ንብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ከቶ ክርስዖ ኣይክእልን፣ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ዝወሰደ ቃልሲ ስለ ዝዀነ። ብመፈለምታ 80’ታት ንስደት ምስ ኣምርሐ ካብ ኤርትራ ጨሪሱ ኣይረሓቐን ክበሃል ይከኣል። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝርከቡ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ማእከላት-ሚድያ እናተረኽበ ነዚ ሓድሽ ወለዶ ብዛዕባ መንነቱን መንነት-ማ.ት.ኣ.ን ደጋጊሙ ብምዝንታው ግቡኡ ገይሩ’ዩ። ኣብ ‘መርሓባ’ ዝበሃል ባዕሉ ዘዳልዎ ዝነበረ መጽሔት’ውን፡ ብዛዕባኡን ዘሕለፎ ህይወትን ብደቂቕ ገሊጹዎ ኣሎ። ንጉሰ ዕብየት’ኳ እንተ ኣርከቦ መንፈሱ ግን ልዑል’ዩ። ከም ሰቡ ኸኣ ኤርትራውያን ኣብ ኤርትራ ሓቢሮም ዝተኣኻኸብሉ ግዜ ክመጽእ ብናፍቘትን ተስፋን ይጽበ። ጥልያን ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ኢላ ዝኸሰሰቶም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ወዲ 16 ዓመት ሰኔጋላዊ፡ ኣብ ማእከል መቐበሊ ስደተኛታት ዝጸንሕ ዘሎ መሲሉዎ፡ ሕጅስ እንቋዕ ብሰላም ናብ ሲሲሊ ኣተኹ ዝብል ዓብዪ ሩፍታ ተሰሚዑዎ ነይሩ። እዚ ብ2015 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኮይኑ፡ እቲ ስደተኛ ካብ ሊብያ ብጃልባ ካብ ዝነበረ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ብህይወት ምስ ተረፈ ዘጋጠሞ እዩ። ንኽልተ መዓልቲ ኣብቲ ዝኣተወሉ ማእከል ምስ ጸንሐ ግን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተዓጸወ በሪ ዘይምኽፋቱ ጭንቀት ክፈጥረሉ ጀሚሩ። ብግርህነቱ፡ ሙሳ ንነብሱ [ንድሕነቱ ብዝብል ሽሙ ተቐይሩ] ኣብ ምዕራብ ደሴት ጥልያን ኣብ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ትራፒኒ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቱ’ዩ ረኺቡዋ። “እዚ ክኸውን ኣይኽእልን፤ ናብ ጥልያን ኣትየስ፤ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ፤ ወዲ 16 ዓመት እየ’ኮ” ክብል ሓሲቡ። ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ዘጋጠሞ ክኣምኖ ኣይክኣለን። ካብ ሰኔጋል ዝሓሸ ህይወት ንምርካብ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ተኸቲሉ ዝመጽኦ ኤውሮጳ ከምዚ ክጸንሖ ፈጺሙ ኣይገመቶን። ሙሳ፡ ዋላ’ውን ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ እንተዘይኮነ፡ ብገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተኸሲሱ ግን ኣብቲ ኣባጽሕ ዝእሰርሉ ቤት ማእሰርቲ ንኽልተ ዓመት ክጸንሕ እዩ። ካልኦት ብዙሓት ስደተኛታት’ውን ብተመሳሳሊ ግዳያት ኮይኖም’ዮም። ጸብጻብ ዘይመንግስታዊ ትካል ኣርሲ ፖርኮ ሮሶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ልዕሊ 2500 ሰባት ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብ ጥልያን ከም ዝትኣሰሩ የመልክት። እዚኦም፡ ዘይሕጋዊ ስደት ብምሕጋዝን ብምትብባዕን ዝተኸሰሱ’ዮም። እዚ ኽኣ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርትን ከቢድ ቕጽዓትን የፍርደ። ‘መቕጽዒ ይጥቀሙሎም’ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ጉዳዮም ብሕጋዊ መገዲ ክዕጾ ዝጽበዩ ኣማኢት ንጹሃት ስደተኛታት ከም ዘለው ሓንቲ ካብ ሞንጎ ጸሓፍቲ እቲ ጸብጻብ ማሪያ ጉሊያ ፋቫ ትገልጽ። ጥልያን፡ ሕግታት ምስግጋር ሰባት ስደተኛታት ንምቕጻዕ ትጥቀመሎም ኣላ ክትብል ትኸስስ። እቶም ስደተኛታት ብኣዝዩ ዘይምኽኑይ መረዳእታ ከም ዝኽሰሱ እትገልጽ ማሪያ፡ ንጉዳዮም ዝርእዩ መጋብኣያታት ኣዝዮም ውሑዳት ከም ዝኾኑ ተረድእ። ብተወሳኺ ሕጋዊ ከለላ ናይ ምርካብ ዕድል ዘይምህላው፣ እቶም መረዳእታታት እሙናት ኣብ ዘይኾኑ መሰኻኽር ዝተሞርኮሱ ከም ዝኾኑን ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣባጽሕ ከም ዝዳጎኑን ገሊጻ። ቼክ ሲን፡ እቲ ስርዓት ብዝግባእ ዝፈልጦ ውልቀሰብ’ዩ። ንሱ፡ ኣብ ሲሲሊ ኣብ እትረከብ ከተማ ፓሌርሞ ኣተሓባባሪ ሰኔጋላውያን እዩ። እንተኾነ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ንምስግጋር ብምሕጋዝ ገበነኛ ተባሂሉ ንኽልተ ዓመት ተኣሲሩ’ዩ። ብዙሓት ባሕሪ ሰጊሮም ዝመጽኡ ስደተኛታት፡ ፍትሓዊ ብዘይኾነ መገዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተትሓዙ ይገልጽ። እዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘጋጠመ ምዃኑ’ውን ይዛረብ። ትካል ኣርሲ ፖርኮ ሮሶ’ውን፡ ኣዘዝቲ ፖሊስ ጥልያን ኣብ ልዕሊ ዘወርቲ ጃልባ ኢሎም ንዝኸሰሱዎም ሰባት ምስክርነት ንምቕራብ ነቶም ስደተኛታት ዘቕርቡሎም ሰነድ ምህላው ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ። ሚኒስትሪ ፍትሒ ጥልያን ብዛዕባ መጋብኣያ ወይ ማእሰርቲ ዝምልከት ሓበሬታ ክህብ ፍቓደኛ እኳ እንተዘይኾነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተኸሲሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዝምልከት መረዳእታ ግን ንቢቢሲ ሓቢሩ። ክሳብ 22 መጋቢት 952 እሱራት ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ እቶም 562 ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ገበነኛታት ከም ዝተባህሉ ገሊጹ። ይኹን’ምበር ነቶም ብኣርሲ ፖርኮ ሮሶ ዝቐርቡ ክስታት ምላሽ ኣይሃበን። ‘ትሕቲ ዕድመ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣባጽሕ’ ሙሳ ዝነበረላ ጃልባ ኣብ ትራፓኒ ምስ በጽሐት፡ ካብታ ጃልባ ተራጊፎም ምስ ካልኦት ስደተኛታት ብምዃን ናብታ ከተማ እትወስዶም ኣውቶስብስ ይጽበ ነይሩ። ኣብኡ እንከሎ ግን ብሓደ በዓል መዚ ጥልያን ተጸዊዑ። “ናብ ውሽጢ ክኽተሎም ነጊሮምኒ፤ ወረቐት ሂቦምኒ። ካብኡ ስእሊ ስኢሎምኒ። ድሓር ኣብ ዓባይ መኪና ጽዒኖም ወሲዶምኒ። ዳርጋ ንክልተ ሰዓት ተጓዒዝና። መጨረሻ ናብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ኣእቲዮምኒ” ይብል። እዚ ቤት ጽሕፈት፡ መደብር ፖሊስ እዩ። ኣብኡ ቋንቋ ፈረንሳ ብእትዛረብ ሞሪካዊት ተርጓሚት ቃለ መጠይቕ ተገይርሉ። ክልተ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ መራሒ እታ ጃልባ ንሱ ነይሮም ኢሎም ከም ዝኸሰሱዎ ኣብሪሃትሉ። ሙሳ፡ እቲ ክሲ ንምንታይ መጺኡ ስለ ዘይተረድኦ እቶም ሰባት በዓል መን’ዮም ኢሉ ሓቲቱ፤ ንሳ ግን ተርጓሚት እምበር ጠበቓ ኣይኮንኩን ኢላቶ። ብናግኡ ብናይ ፖሊስ መኪና ተወሲዱ። “ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወሰድኩ ኣይፈለጥኩን ነይረ። መቐበሊ ማእከል እዩ መሲሉኒ ነይሩ” ይብል። ኣብኡ፡ ‘ኣነ ትሕቲ ዕድመ’የ’ ኢሉ ከረድእ ፈቲኑ’ዩ። እቲ ቤት ማእሰርቲ ዕድሚኡ ንምፍላጥ ዝፍተሻ ክልተ መሳርሒ ከም ዝነበራ ይዛረብ። ኣብቲ ግዜ ንሱ ጥራይ ከም ዘይነበረ ይዝክር። ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን መናእሰይን ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ። ምስ ብዙሓት ጋምቢያውያን፣ ቱኒዝያውያን፣ ናይጄሪያውያንን ማላውያንን ከም ዝተራኸበ ገሊጹ። 'ኣብ ቀብሪ ኣቦይ ኣይተረኸብኩን' ንትሸዓተ ኣዋርሕ፡ ናብቶም ሞይቱ’ዩ ኢሎም ዝሓሰቡ ወለዱ ቴሌፎን ክድውል ኣይክኣለን ነይሩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ቴሌፎን ምስ ደወለ ሞት ኣቡኡ ተረዲኡ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እናሃለወ፡ ኣብ ጥልያን ናይ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቲ ክምሃር እንከሎ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድመሉ ዝኽእል’ውን ይሓስብ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ብ2017፡ ሙሳ ኣብ ቤት ፍርዲ ፓሌርሞ ቀሪቡ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዋርድያታት መጺኦም ካብታ ዝተኣሰረላ ክፍሊ ከውጽኡዎ እንከለው ምፍትሑ ኣበሲሮምዎ። “ናብቲ በሪ ሒዞምኒ መጺኦም፡ እቲ ማዕጾ ብድሕረይ ጠርቂሞም ዓጽዮምዎ። ክዳውንተይ ዝመልአ ፌስታል ሒዘ ደው ኢለ ነይረ” ይብል። ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን፤ ሓደ ዋርድያ ዝኸደሉ መገዲ ክሕብሮ እንከሎ ኣብኡ ክሕግዙዎ ዝኽእሉ ኣፍሪቃውያን ክረክብ ከም ዝኽእል ነጊሩዎ። ኣብቲ ግዜ፡ ገለ ሰኔጋላውያን ክረክብ እንከሎ ስደተኛታት ናብ ዝጸንሕሉ ማእከል ቮልፒታ ክኸይድ ሓቢሮምዎ። ዝተወሰነ ግዜ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ኣብ ካልእ ከባቢ ፍረ ኣውሊዕ እናኣረየ ገንዘብ ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ቦታ ከይዱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጥቓ ፓሌርሞ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ሼፍ ኮይኑ እናሰርሐ ናብርኡ ይመርሕ ኣሎ። እቲ ዝተኸሰሰሉ ጉዳይ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተዓጽወን። ኣብታ ሃገር ከጽንሖ ዝኽእል ሰነድ’ውን መዓልቱ ስለ ዝኣኸለ ሓድሽ ናይ ቤት ፍርዲ መዓልቲ ቖጸራ እናተጸበየ እቲ ዘባህርሮ ሽግራት ከእክል ይጽበ ኣሎ። ኣስታት 35 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምምላስ ተመዝጊቦም-መንግስቲ ካብ ስዑዲ ዓረብ ክምለሱ ንዝደልዩ ልዕሊ 35 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተመዝገቡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምድላው ከም ዝተገብረ'ውን ሓቢሩ። እቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምምላስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዘለውሉ ኩነታት ናይ ምጽራይን ምምዝጋብን ስራሕቲ ክስራሕ ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ ካብቶም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝተመዝገቡ ኣብ መዕቀቢ ማእከላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲን ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ከም ዝርከቡዎም ተዛሪቡ። ''ናይ ምዝገባ ስራሕቲ ክስርሑ ስለ ዝጸንሑ፡ 35 ሽሕ ዜጋታት ንክምለሱ ተመዝጊቦም ኣለው። ነዚኦም ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ምምላስ ስራሕቲ ክህሉ'ዩ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይኹን ካብኡ ወጻኢ ዘለው ኩሎም ክምለሱ'ዮም'' ኢሉ። ካብቶም ንክምለሱ ዝተመዝገቡ 35 ሽሕ ሰባት ግን ክንደይ ዝኣክል'ዩ እሱር፣ ክንደይ ዝኣክልከ ኣብ መዕቆቢ ማእከላት ይነብር ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሉ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል ''ሓሓሊፉ ብሚዲያን ካልእን እንርእዮም ነገራት ስለ ዘለው ግን እቲ ዘለውሉ ኩነታት ጽቡቕ ከም ዘይኮነ ኢና ንርኢ" ክብል ኣብሪሁ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሸዴ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ስዑዲ ኣረብ ብምኻድ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ እሱራትን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ኩነታትን ምስ ሰብ መዚ እታ ሃገር ከም ዝተዘራረበ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ የመልክት። ናብ ሃገሮም ንምምላስ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስራሕቲ ድማ ብምኽንያት ምዝገባን ምጽራይን ከም ዝተደናጎየ ተዛሪቡ። እንተኾነ ኣብቲ ግዜ: ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቅርሬታት ከም ዘልዓሉ ኣምባሳደር ዲና ገሊጹ። "ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት የቕርቡ'ዮም። እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብየመን ዝኣተው'ዮም፤ ድሕነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእትው'ዮም፤ ጽቡቕ ስነ ምግባር የብሎምን ወዘተ ዝብሉ'ዮም። ዝኾነ ኾይኑ ግን መንግስቲ ዜጋታቱ ናይ ምውሳድ ግዴታ ስለ ዘለዎ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኩሎም ኣብታ ሃገር ዘለው ክንወስዶም ኢና ኢሉ። በዚ መሰረት እዩ ምዝገባ ተጀሚሩ" ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርታት ዓመታት ብምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ቁጠባዊ ጸገማት፣ ሽቕለት ኣልቦነት፣ ድርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ሓደገኛ ብዝኾነ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣትው ጸኒሖም'ዮም። ውሑድ ዘይብሃል ቑጽሪ ዘለዎም ድማ ብባሕርን በረኻታትን ብዝገብሩዎም ጉዕዞ ብዘጋጥሞም ሓደጋ ምኽንያት ከም ዝሞቱ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። ስደተኛታት ሄይቲ፡ ‘ናብ ኣሜሪካ ንክበጽሕ ንኽልተ ኣዋርሕ ብእግረይ ተጓዒዘን ኣህጉር ኣቋሪጸን' ስደተኛታት ሄይቲ ብማዕበላዊ ዋሕዚ ናብ ዶብ ኣሜሪካ-ሜክሲኮ ይበጽሑ ኣለዉ። ገሊኦም ንኣዋርሕ ብእግሮም ይጓዓዙ፤ ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ እንተተፈቒዱሎም ተስፋ ብምግባር ካብ ቺለ ዝጅምር ነዊሕ ናይ እግሪ ጉዕዞ ይገብሩ። ሓደ መንእሰይ ስደተኛ ሄይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣሜሪካ ንኽኣትው ሕጋዊ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቡ ምስ ኣዲኡ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዕላል “ኣደይ ነጻ ኮይነ ኣለኹ፤ ጽቡቕ ኣለኹ” ክብል ይዛረብ። ኣብታ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብዝውሕዙ ዘለዉ ስደተኛታት ሃገረ ሄይቲ ዘዕለቕለቐት ምስ ሜክሲኮ እትዳበው ንኡሽቶ ከተማ ዴል ሪዮ መዕቖቢ እንተረኸበ ይጽበ ኣሎ። ሰሉስ 21 መስከረም 2021 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ወጋሕታ ሰዓት 2፡30 ሰለስተ መኻይን ናብ ጥቓ መእተዊ እቲ መዕቆቢ ብምምጻእ ደው በላ። ሓደ ካብ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ካብ መኪና ብምውራድ ነቲ ማዕጾ ምስ ከፈቶ እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒታት እታ ከተማ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ስደተኛታት ሓደ ብሓደ ክወጽኡ ጀመሩ። ደቂተባዕትዩ፣ ደቂኣንስትዮን ህጻናትን እዮም። ሓደ ካብ ወለንተኛታት “እንቋዕ ብደሓን መጻእኹም፤ ንየማን ገጽ መስርዕ ሓዙ” ምስ በሎም ድማ መስርዖም ሒዞም። በዚ ንነብሶም ከም ዕድለኛ ቆጸሩ፤ ምኽንያቱ ኣብ ኣሜሪካ ዕቑባ ንምርካብ ዘኽእሎም መሰርሕ ክጅመረሎም’ዩ። ኣብታ ሃገር ዝጸንሑሉ ፍቓድ እውን ኣለዎም። ንሳቶም ካብቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝርከቡን ናብ ሃገሮም ዝተጠረዙን ዜጋታት ሄይቲ ዝሓሸ ዕድል ዝረኸቡ እዮም። ወግዓዊ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ መስከረም ጥራይ ኣስታት 14,000 ሰባት ኣብታ ከተማ ዘዕቖቡ ኮይኖም መብዛሕቲኦም ድማ ዜጋታት ሃይቲ ከም ዝኾነ ይግለጽ። እዚ ቁጽሪ ድማ ብመሰረት ኣብ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ ዝነበረ መረዳእታ 35,000 ዘይመልእ ብዝሒ ህዝቢ ካብ ዘለዋ ከተማ ዴል ሪዮ ነቲ 40 ሚኢታዊት ይሽፍን። ካብ 16 ክሳብ 18 መስከረም ኣብ ዝነበረ እዋን ብዝሒ ካብ ሄይቲ ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ስደተኛታት ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ ዝነበረ ኮይኑ፤ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 12,000 ሰባት ከምዝተቐበለት መረዳእታታት የመልክቱ። ‘ቫል ቨርድ’ ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝሰርሕ ማእኸል ንስደተኛታት መጽለሊ ብምሃብ ይፍለጥ። ካብ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን በብወርሑ ልዕሊ 100 ሰባት ይቕበል ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግን መዓልታዊ ልዕሊ 300 ስደተኛታት ይቕበል ኣሎ። ስደተኛታት ብሓለውቲ ዶብ ክተሓዙ ከለዉ ሰለስተ መምርሕታት ይወሃብዎም፤ ክዳውንቶም ከውጽኡ፣ መእሰሪ ጫምኦም ክፈትሑን ሞባይል ስልክታቶም ክድብርዩን። ንመዓልታት ኣብቲ መዓስከር ኮይኖም እናተጸበዩ ብሰብመዚ ቃለ-መሕትት ምስተገበረሎም እቶም ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተኛታት ዕቑባ ክረኽቡ ዘኽእሎም ፍርም ክመልኡ ይጅምሩ። ናብ ማእኸል ስደተኛታት ቫል ቨርደ ተላኢኾም ድማ ኣብ ህይወቶም ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ክጅምሩ ይግበር። እቶም ስደተኛታት ናብቲ መጽለሊ ምስ ኣተዉ ቀልጢፎም ክፍጽምዎ ዝደልይዎ ሓደ ተግባር እንተሃለወ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዘለዉ ቤተሰቦም ብስልኪ ምርኻብ’ዩ። ምስ ረኸብዎም ድማ ናብቲ ዝደልይዎ ቦታ ንኽበጽሑ ዘኽእሎም ትኬት ክገዝኡሎም ይሓትዎም። ህይወት ኣብ ትሕቲ ድልድል ጓል 24 ዓመት ሄይቲያዊት ፋፋኔ በይን አይሜ ነብሰጾር እያ። ኣብ ትሕቲ ድልድል እትነብር እዛ ስደተኛ ስእሊ ወይ ቪድዮ ንክትሰኣል ፍቓደኛ ኣይኮነትን። ምኽንያቱ ድማ እቲ ንነዊሕ እዋን ዘይተመሸጠ ጸጉሪ ርእሳ ክረኣይ ስለ ዘይትደልይ እዩ። ፋፋኔ ናብ ዶብ ኣሜሪካ ክትበጽሕ ክልተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ናይ እግሪ ጉዕዞ ከም ዝገበረት ትዛረብ። ናብቲ ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝርከብ ሪዮ ግራንዴ ዝበሃል ቦታ ምስበጽሐት ግን ተስፋ ዘቑርጽ ነገር’ዩ ተጸብይዋ። ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ጥቓ ንዶብ ኣሜሪካ ዘመልክት ሩባን ሓጹርን ተዓጊቶም ጸንሕዋ። ብ22 መስከረም ድማ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ኣሜሪካ ናብቲ ግዚያዊ መጽለሊ ከምዝወሰድዋ ትዛረብ። “ኣብ ትሕቲ ድልድል ምንባር ከቢድን ዘይምቹእን ነይሩ። ከምዚ ነብሰጾር ኮይነ ድማ ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ” ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ። ልክዕ ከምቲ ካልኦት ስደተኛታት ዝሓለፍዎ ንሳ’ውን ካልእ ሃገር ክትሰግር ተገዲዳ’ያ። ኣብ 2019 ናብ ቺለ ብምእታው ንኽልተ ዓመት ምስ ጸንሐት ናብ ስድርኣ ዳግም ክትምለስ’ኳ ሓሲባ እንተነበረት፤ ኣብ መወዳእታ ዝወሰነቶ ውሳነ ግን ናብ ቅድሚት ምግስጋስ ኮነ። “ካብ ቺለ ክወጽእ ዝወሰንኩሉ ምኽንያት ምስ ኣደይ ንዓመታት ክራኸብ ብዘይምኽኣለይ እዩ። ካብ ሃገርካ ወጺእኻ እትስደደሉ ምኽንያት ዝሓሸ ናብራ ብምድላይ እዩ” ትብል። ካብ ቺለ ክትብገስ ከላ ምስቶም ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ኣባላት ቤተሰባ ንምርኻብ ተስፋ ብምግባር ነይሩ። ኣህጉር ኣቋሪጽካ ዝግበር ጉዕዞ ካብ ሃይቲ ንዝብገሱ ስደተኛታት እቲ ጉዕዞ ኣዝዩ ነዊሕ’ዩ ዝኾኖም። መብዛሕቲኦም ጉዕዞኦም ካብ ቺለ ይብገስ። ናብ ኣሜሪካ ንምብጻሕ ከኣ ሰለስተ ኣዋርሕ ይወስደሎም። ካብ ቺለ ምስ ተበገሱ ናብ ማእኸላይ ኣሜሪካ ንምብጻሕ ብፔሩ፣ ኢኳዶርን ኮሎምቢያን ኣቢሎም ነቲ ኣብ ሞንጎ ኮሎምቢያን ፓናማን ዘሎ ጽዑቕ ጫካ ክሓልፉ ይግደዱ። “ኣብ ፓናማ ዘለዉ ሰብ መዚ ርህራሀ ዝበሃል የብሎምን። እቶም ወሮ-በላታት ጉድኣት እናብጽሑልና ሪኦም ዋላ ሓደ ነገር ኣይገብሩን። ንደቂኣንስትዮ፣ ጎራዙን ደቂተባዕትዮን እንትደፍሩ ብዓይነይ ሪኤ” ዝብል ወዲ 28 ዓመት ፍራንዝ ሺበር ገንዘብ ሓቢኡ ከይኸውን ኣብ ዘይፈተሽዎ ክፍሊ ኣካሉ ከም ዘይነበረ ይገልጽ። ነቲ መገዲ ክዛዝም ኣስታት ሓደ ወርሕን ፈረቓን ዝወሰደሉ ኮይኑ “ካብ ቺለ ተበጊሰ ብፔሩ፣ ኢኳዶር፣ ኮሎምቢያን ፓናማን ኣቢለ ብዙሓት ሃገራት ሰጊረ” ይብል። ኣብ ትሕቲ ድልድለ እውን ነዊሕ ጊዜ ከሕልፍ ተገዲዱ። ኣብ ቅድሚኡ ናብ ኣሜሪካ ክኣትወሉ ዝኽእል ዕድል ይህሉ’ዶ ይኸውን ወይስ ናይ ምጥራዝ ዕድል የጋጥሞ? ኣብ ዝብል ርግጸኛ ኣይነበረን። ኣብቲ ድልድል ንሰለስተ መዓልታት ክጽንሕ ከሎ ንሱን ነብሰጾር በዓልቲ ገዝኡን ባኒ ጥራሕ ሒዞም ነይሮም። “በዓልቲ ገዛይ ነብሰጾር ነይራ፤ ዝብላዕ ኣይነበረናን። ዝጥረዝ መሲሉ ይስምዓኒ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ድልድል ዘሎ ኩሉ ነገር ረሳሕእን ሕማቕን እዩ። ሕዚ ግን ኣብ ደሓን ኣለኹ” ክብል ብፍሽኽታ ተዓጂቡ ይዛረብ። ጉዕዞ እቶም መጻምዲ ናብ ፍሎሪዳ እዩ። ጓል 35 ዓመት ዊድሊን ሰይንት ፍሊዩር ሸውዓተ ወርሒ ዝመልኦ ጥንሲ ተሰኪማ’ላ። ንሳን በዓል ገዝኣን ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ብምሕሳብ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ካብ ቺለ ተበጊሶም። ነቲ ኣብ ትሕቲ ድልድል ዘሕለፈቶ እዋን ክትዝክር ከላ “ሓደ መዓልቲ መረቕ ጥራሕ ተመጊበ፤ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዋላ ሓደ ነገር ኣይበላዕኹን። ካልእ መዓልቲ ከኣ ነዊሕ ርሕቐት ጉዕዞ እገብር። ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ” ክትብል ነቲ ኩነታት ተረድእ። ዊድሊን ምስ በዓል ገዝኣ ናብ ኣሜሪካ ክኣትዉ ክፍቀደሎም ከሎ ካልኦት ምስኦም ዝነበሩ ክልተ ስድራ ግን ናብ ሄይቲ ተጠሪዞም’ዮም። ስደት፡ ዛንታ ናይቲ ካብ 39 መጋይሽቱ ንበይኑ ዝደሓነ ስደተኛ ስእሊ ናይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ዝተገልበጠት ጃልባ ኣብ ማእከል ኣትለካንቲካዊ ውቅያኖስ ብጭንቀት ኮፍ ኢሉ እንከሎ እተርኢ ስእሊ ኣብ መላእ ዓለም ብዙሕ ሰብ ብሓዘኔታ ክቐባበለላ ተራእዩ። እቲ ሰብ መን'ዩ? ወደበይ ሃገር? ወደበይ ሃገር? እንታይ'ዩኸ ኣጋጢምዎ ዝብል ኣብ መጀመርታ ነታ ስእሊ መግለጺ ስለዘይተሰነያ ንቡዙሓት ሕንቅል-ሕንቂሊተይ'ዩ ነይሩ። ቢቢሲ ቋንቋ ሙንዶ ድሕሪ ዝገበሮ ዳህሳስን ቃለ መሕተትን እቲ ኣብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ንበይኑ ዝርአ ሰብ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ዝብሃል ወዲ 22 ዓመት ኮሎምብያዊ ምዃኑ ክፈልጥ ክኢሉ። እቲ ኣብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ንሓያለ ሰዓታት ድሕሪ ምጽንሑ ብህይወቱ ዝድሓነ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ካልኦት 39 ሰባት ካብ ብሃማስ እትብሃል ሃገር ከምዝተበገሱ እዩ ተገሊጹ። ካብ መንጎ መጓዕዝቱ ንእሽተይ ሓፍቱ ማርያ ካማላ'ውን ነይራ እያ፡ እንተኾነ እታ ጃልባ ምስ ተገልበጠት ንሓፍቱ ኣብ ከባቢኡ ክረኽባ ኣይክኣለን። ንሱ'ውን ተጋዲሉ'ዩ ናብ ዝባን እታ ዝተገልበጠት ጃልባ ደይቡ። ሓለዋ ዶብ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ካበቢ እታ ጃልባ ዝጠሓለትሉ ሬሳ ናይ ሓሙሽተ ሰባት ክረኽቡ ክኢሎም'ዮም፡ ብሕጂ ብህይወት ክጸንሕ ዝኽእል ሰብ ኣይክህሉን'ዩ ኣብ ዝበልሉ ኸኣ እቲ ናይ ምድላይ መስርሕ ኣቋሪጾሞ። ብሰሉስ፡ ካብ ፍሎሪዳ ወደብ ፒርስ 72 ኪሎሜተር ርሑቑ ኣብ ዝርከብ መስመር ካብ ትሓልፍ ዝነበረት ናይ ንግዲ መርከብ፡ ሓደ ኣብ ዝተገልበጠት ጃልባ በይኑ ኮፍ ዝበል ሰብ ከምዝርኣዩ ባሕረኛታት ናይታ መርከብ ንሰብ መዚ ኣመሪካ ሓበሬታ ሂቦም። ሰብ መዚ ኣመሪካ እታ ጃልባ ናይ ዘይሕጋወያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ክትከውን ከምእትኽእል'ዮም ዝሕብሩ። እቲ ካብ ዞባ ካውካ ናይ ኮሎምብያ ዝተበገሰ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ኩሎም እቶም [40 ተሳፈርቲ] ዝኾነ ካብ ምጥሓል ዝከላኸል ጃኬት [ላይፍ ጃኬት] ከምዘይነበሮም'ዩ ነቶም ዘድሓንዎ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ነጊርዎም። ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ብሰሉስ ብሓለዋ ዶብ ኣመሪካ ኣብ ዝድሓነሉ መራሒ ናይታ ዘድሓነቶ መርከብ ንሞንቶያ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጭንቀት ተዋሒጡ ከምዝረኸብዎ እዩ ገሊጹ። እቲ 'ካፒተይን' ንቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ልክዕ ሰዓት 8:05 ናይ ንግሆ ካብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ናብታ መርከብና ሰቒልናዮ ክቱር ጽምኢ ማይ፡ ጥምየትን ድኻምን ነይርዎ ኩሉ ሓገዛት ኸኣ ብቅጽበት ገይርናሉ" ኢሉ። ብምስዓብ "ኣብታ ጀልባ 40 ርእሱ ከምዝነበረ እዩ ገሊጹልና፡ ካብ ቀዳም ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ካብ ቢሚኒ ዝብሃል ቦታ ናይ በሃማስ ምስ ተበገሱ ድሕሪ ናይ ሓያለ ሰዓታት ጉዕዞ እታ ጃልባ ከምዝተገልበጠት'ዩ ሓቢሩና" ኢሉ። 20 ዝኾኑ ካብቶም ስደተኛታት ናብታ ዝተገልበጠት ጃልባ ንምስቃል ንስዓታት ካምዝተጋደሉ እንተኾነ ብጀካ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ዝተረፉ ደኺሞም ከምዝጠሓሉ ኢስታባን ንኣባላት ናይታ ዘድሓነቶ መርከብ ከምዝነገሮም ገሎጾም። እቲ መስመር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ካብ ብሃማስን ካልኦት ሃገራትን ተረበጊሶም ናብ ደቡባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኣትውሉ ከምዝኾነ ኣዛዚ ሓለዋ ባሕሪ ምያሚ ካፕተይን ጆ ኣን ቡርድያን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብቲ እታ ጃልባ ዝተገልበጠትሉ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢ ብርቱዕ ማዕበልን ዛሕልን ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ፥ ጠንቂ ምግልባጥ እታ ጃልባ'ውን ብርቱዕ ማዕበል ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብቲ ጅዋን ኢስታባን ሞንቶያ ዝተረኸበሉ መዓልቲ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ 191 ካባ ባሃማስ፡ 88 ኸኣ ካብ ሃይቲ ዝተበገሱ ስደተኛታት ናብ ዝመጽእሉ ከምዝመልሶም ተገሊጹ። ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ኮኒኖም ሓላፊ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ሃገራት ዓለም ንስደተኛታት ዝኣልያሉ መገዲ ኮኒኖም። ኣብ ግሪካዊት ደሴት ሌስቦስ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ እቶም ጳጳስ፡ ነቲ ሃገራት ኣውሮጳ ንስደተኛታት ዝነጽጋሉ ኩነታት “ናይ ስልጣነ ውድቀት” ክብሉ ነቒፎም። ፖፕ ፍራንሲስ፡ ንፈለማ እዋን ብ2016 ናብ ደሴት ሌስቦስ ዝበጽሑዋ ኮይኖም፤ ኣብቲ ሽዑ እዋን ድማ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ከም ቀንዲ መሰጋገሪ ይጥቀሙላ ነይሮም። ካብቲ እዋን ንደሓር ሓድሽ ናይ ስደተኛታት ዋሕዚ ክረኣይ ብምጅማሩ ከኣ፤ ብዙሕ ዝተቐየረ ነገር የለን ክብሉ እቶም ጳጳስ ሓዘኖም ገሊጾም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣየር ተመሊኣ እትንሳፈፍ ንኡሽተይ ታንኳ ተጠቒሞም ካብ ፈረንሳይ ናብ እንግሊዝን ክሰግሩ ዝፈተኑ 27 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይዝከር። በቲ መትረብ [ካናል] ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት ቁጽሮም ኣዝዩ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዛጊድ ልዕሊ 26,000 ሰባት ናብ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ቁጽሪ ድማ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ሓፈሻዊ ድምር ክነጻጸር ከሎ ልዕሊ ዕጽፊ ከምዝኾነ ይግለጽ። ካልኦት ብዙሓት ስደተኛታት ድማ ካብ ቤላሩስ ናብ ፖላንድ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ብሰንኪ ሓያል ቁሪ ህይወቶም ከምዝስእኑ ይሕበር። “ኣብ ኣውሮጳ ነዚ ጉዳይ ቆላሕታ ምሃብ ከምዘይምልከቶም ኮይኖም ዝሓልፉ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ” ኢሎም ፖፕ ፍራንሲስ። ወሲኾም ድማ “ናይ ገዛእ ርእሲኻ ረብሓ ጥራሕ ምትኳርን ሃገራውነትን ኣዝዩ መዕነዋይ ዝኾነ ሳዕቤናት ከምዘኸትል ታሪኽ ኣምሂሩና’ሎ” ክብሉ ሓቢሮም። እቶም ጳጳስ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓዊ ዝዓነወ መዓስከር ሞሪያ ንዝነበሩ 2,000 ሓተትቲ ዕቑባ ዝተዳለወ ጊዚያዊ መዕቖቢ ተረኾቦም’ዮም ነዚ መልእኽቲ ዘሕለፉ። ዓለም ንለበዳ ኮሮናቫይረስን ክሊማዊ ለውጢን ኣብ ምቅላስ ክትሓብር ኣብ እትረኣየሉ እዚ እዋን ንጉዳይ ስደተኛታት ግን ሓበራዊ ቆላሕታ ከምዘይተወሃበ ብንጽጽር ኣረዲኦም። ቀንዲ መንቀሊታት ክፍትሑ እምበር፤ እቶም ብሳዕቤናቶም ዝህሰዩ ዘለዉ ድኻታት ግዳያት ክኾኑ ከምዘይብሎምን እቲ ኩነታት ንፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳ ክውዕል ከምዘይግባእን ፖፕ ፍራንሲስ ገሊጾም። ንሶም ኣብ ቅድሚ ስደተኛታት ተረኺቦም ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ንሃገራት ኣውሮጳ ዝምልከት ኮይኑ ፖለቲከኛታት ንጉዳይ ስደተኛታት ብኣግባቡ ኣብ ምእላይ ከምዝደኸሙ ዝነቅፍ’ዩ ይብል ጋዜጠኛ ቢቢሲ ፌርጋል ኬን ካብ ሌስቦስ። እቶም ጳጳስ ቅድሚ ሎሚ’ውን ንጉዳይ ሓተትቲ ዕቑባ ዝምልከት መልእኽቲ የሕልፉ ምንባሮም ዘዘኻኸረ እቲ ጋዜጠኛ ናይ ሎሚ ዘረብኦም ግን ዝተፈለየን ግሁድን ከምዝነበረ ሓቢሩ። ምስቶም ጳጳስ ዝተረኸበት ፕረዚደንት ግሪክ ካትሪና ሳኬለሮፑሉ፤ ጉዳይ ስደተኛታት ንግሪክ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹለን ሃገራት ኣውሮጳ ከምዝምልከት ተዛሪባ። ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 8 ሽሕ ሰባት ብመሬትን ባሕርን ናብ ግሪክ ዝተሳገሩ ኮይኖም፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተመዝገበ 15 ሽሕ ቁጽሪ ስደተኛታት ግን ነክዩ’ሎ። ግሪክ እቶም ሓተትቲ ዕቑባ ጉዳዮም ክሳብ ዝፍጸም ዝጸንሑሎም ዕጹዋት መዕቖቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ደሴታት ትሃንጽ ምህላዋ ይፍለጥ። ግሪክ፡ ስደተኛታት ገና ኣብ ጀላቡን መራኽብን እናሃለዉ ናብ ድሕሪት ክምለሱ ተገድድ ምህላዋ ንዝገለጽ ክሲ ትነጽግ። ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣኒያ ፕሪቲ ፓተል ብወገና፡ ግሪክ ንስደተኛታት ደፊኣ እትመልሰሉ ኩነታት እንግሊዝ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ነቶም ብጀላቡ ዝመጹ ክምለሱ ንኽተገድድ ተሞክሮ ከምዝኾና ትዛረብ። ብሪጣንያ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ናብ ድሕሪት መሊሳ ዋና ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ናብ ዶብ እታ ሃገር ንኸይኣትዋ ኣብ ባሕሪ ክምለሳ ኣዚዛ። ኣብዚ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 1,500 ስደተኛታት፡ ጀላቡ ብምጥቃም ንመስመር ባሕሪ እንግሊዝ ከምዝሰገሩ ይግለጽ። ፕሪቲ ፓተል ምስ ፈረንሳዊ መዘንኣ ትማሊ ረቡዕ [09/09/2021] ኣብቲ ጉዳይ ዝዘተየት ኮይና፤ እቶም ስደተኛታት ከይሰግሩ ንምቁጽጻር ኣብ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ስጉምትታት ግን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን። ነተን ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ናብ ማያዊ ኣካላት ፈረንሳ ክምለሳ ምግዳድ ብወገን ሰበልጣን ፈረንሳ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ምኽንያቱ ድማ ሓደገኛ ስለዝኸውን ይብሉ። ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊ ባሕሪ እንተኾይኑ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ሰባት ካብ ውሽጢ ባሕሪ ክተድሕኖም ግድን’ዩ። ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ካብ መንቀሊኡ ደው ንምባል ኩሎም ዝሓሹ ኣማራጺታት ክጥቀም ከምዝደልይ ዝገልጽ መንግስቲ እንግሊዝ፤ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብወገኑ እተን ንኣሽቱ ጀላቡ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ደው ዘብላሉ ውሑስን ሕጋውን ኣማራጽታት ይግምግምን ይፍትንን ምህላዉ ይሕብር። ፕሪቲ ፓተል መራኽብ ነተን ነኣሽቱ ጀላቡ ካብ ማያት ብሪጣንያ እናደፍአ ክርሕቓ ክገብረአን መምርሒ ከምዝሃበት ጸብጻብ ’ዘ ደይሊ ቴሌግራፍ’ ኣመልኪቱ። እዚ ዝኸውን ግን ውሑስን ድሩትን ኣብ ዝኾነ ኩነታት እሞ ድማ ነዚ ንምፍጻም ስልጠና ብዝወሰዱ ኣባላት ጥራሕ ከምዝኾነ ምንጪታት ነቲ ጋዜጣ ሓቢሮም። እታ ሓላፊት ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ ምስ ሚንስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን ከምዝተዘራረበት ብምሕባር “[ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ] ከይሰግራ ምግባር ንህዝቢ ብሪጣንያ ፍጹም ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ። እቲ ፈረንሳዊ በዓል ስልጣን ክልቲኦም ሰበስልጣን ቅድሚ ምርኻቦም ብደብዳበ ኣብ ዝጸሓፈላ መልእኽቲ፤ ነቶም ኣብ ባሕሪ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ስደተኛታት ቀዳምነት ምሃብ ልዕሊ ኩሎም ጉዳያት ከምዝኾነ ሓቢሩዋ ነይሩ። ሃገሩ ቑጽሪ እቶም ኣብ ገማግም እቲ መትረብ ዝዋፈሩ ሓለዋ ክውስኽ ክትገብር ከምእትኽእል ኣብቲ ደብዳቤ ወሲኹ ገሊጹ። ኣካል እቲ ዝተገበረ ስምምዕ፡ መንግስቲ እንግሊዝ ነቲ ፈረንሳ እትገብሮ ጻዕርታት ሓገዝ ዝኸውን 54 ሚልዮን ፓውንድ ክህባ መብጽዓ ተኣትዩ’ኳ እንተነበረ፤ ፕሪቲ ፓተል ግን ቁጽሪ ዝሰግራ ዘለዋ ጀላቡ ይውስኽ ብምህላዉ እቲ ገንዘብ ክፍኖ ኣይትደልይን። እቲ ገማግም ኣዝዩ ነዊሕ ብምዃኑ ኣባላት ፖሊስ ኣዋፊርካ ነተን ነኣሽቱ ጀላቡ ምግታእ ከምዘይከኣል ዝገልጹ ኣካላት’ውን ኣለዉ። ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 12,600 ስደተኛታት ብመትረብ እንግሊዝ ጉዕዞ ከምዝገበሩ ይግለጽ። ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ከምዘመልክቶ ብሰሉስ ጥራይ ካብ ዝነበሩ 17 ፈተነታት 456 ሰባት ከምኡ’ውን ብረቡዕ ካብ ትሸዓተ ፈተነታት ን301 ሰባት ኣድሒኖም ወይ ንጉዕዞኦም ኣቋሪጾም። ፈረንሳይ እውን ኣብተን ክልተ መዓልታት 628 ሰባት ናብ ብሪጣንያ ከይበጽሑ ዓጊታ። ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 10,000 ስደተኛታት ካብ ዝገበርዎ ፈተነ ክግትኡ ከምዝተገበረን ኣስታት 300 ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉን ይግለጽ። ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ሓተትቲ ዕቑባ ዝፍጸም ኣሰራርሓ “ሰብኣውነት ዝተላበሰን ሓላፍነት ዝተምልኦን” ክኸውን ይጽውዑ። ሰባት ኣብ ብሪጣንያ ዕቑባ ናይ ምሕታት መሰል ከምዘለዎም ዝገልጽ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፤ “[እቶም ስደተኛታት] ዝሓሸ ኣማራጺ ስለዘይብሎም ነቲ ሓደገኛ መገዲ ይመርጹን ኣብ ኣስገርቲ ይተኣማመኑን” ክብል የረድእ። ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ እንታይ የጋጥሞም? ሓይልታት ትግራይ፡ 65 ሚእታዊት ግንባራት ለቒቘም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ኣብ መንጐ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ምቕውራጽ ተጻብኦታትን፡ ትግባረ ስምምዕን መሰረት ብምግባር፡ ሓይልታት ትግራይ ግብራዊ ስጕምቲታት ይወስዱ ከም ዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ 65 ሚእታዊት ካብ ሓይልታቶም ነቲ ውግእ ክካየደሉ ዝጸንሐ ቀንዲ ግንባራት ከም ዝለቐቝ፡ ዝሓለፈ ቀዳም 3 ታሕሳስ ብመገዲ ተሌቪዥን እቲ ክልል ገሊጹ። እቲ ብዝሑ ዘይተገለጸ ሰራዊት ካብቲ ዝጸንሖ ግንባራት ደቡብ፡ ማይቅነጣል፡ ዛላምበሳ፡ ነበለት፡ ጨርጨር፡ ኩኩፍቶ፡ ሕጉምብርዳ፡ በሪ ተኽላይን ኣበርገለን ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ክወጽእ ከም ዝጀመረ፡ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣቐዲመን ገሊጸን ምንባረን’ውን ኣይርሳዕን። እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንዘላቒ ሰላም ድሕሪ ዝተኸተመ ስምምዕ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እዩ። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኣብ ዩትዩብ ኣብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ'ውን፡ ሰራዊት ህወሓት ብመሰረት ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሒዞም ከበደቲ ብረታታቶም ከረክቡ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ። ክልቲኦም ወገናት ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዞም ክዋግኡ ከም ዝጸንሑን፡ ብሰንኩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ከም ዝሞቱን ግዳያት ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝዀኑን ይፍለጥ። ጀነራል ታደሰ ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ሓይልታት ናብ ዝተመደበሎም ቦታ ይግዕዙ ከም ዘለው ሓቢሩ። እንተዀነ ግን፡ ብመሰረት መግለጺ ጀነራል ታደሰ፡ ብሰንኪ ‘ሰላም ዘይደልዩ ሓይልታት’ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣታት፡ ብምሉኦም ሓይልታት ትግራይ ከምዘይለቍ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ስግኣት ድማ ንሓይልታት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ዘመልክት ምዃኑ ይፍለጥ። በቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ እዞም ሓይልታት ካብ ትግራይ እንተዘይወጺኦም፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቈም ከምዘይፈትሑ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም። እቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ወተሃደራት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን፡ ቅትለትን ግህሰት ሲቪላውያንን ቀጺሎም ከምዘለዉ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ምግላጾም ይዝከር። ወተሃደራዊ መራሕቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ኣብ ናይሮቢ ልዝብ ክጅምሩ እዮም ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ሎሚ ሰኑይ 7 ሕዳር 2022 ኣብ ናይሮቢ ክራኸቡ ምዃኖም፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሓቢሩ። ኣምባሳደር ሬድዋን ነዚ ዝሓበረ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ኣመልኪቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመደበሮም ን ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢን ማሕበረሰብ ዓለምን መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ እዩ። እቲ ኣምባሳደር ኣብ መብርሂኡ፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ናብ ባይታ ንምውራድ ዘኽእሉ ንጥፈታት ድሮ ከምዝተጀመሩ ብምግላጽ፡ ገለ ካብቶም ስምምዓት ብቕልጡፍ ክትግበሩ ከምዘድሊ ጠቒሱ። ሓደ ካብኡ ኣብ መንጐ ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኡ ወገናት መድረኽ ዘተ ምምችቻእ ምዃኑ ገሊጹ። መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ‘ታ ሃገር ከም ዝመልክቶ፡ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ድሮ ብተሌፎን ዝርርብ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም፤ እቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ ብዛዕባ ዝስዕብ ስጕምትታት ንምዝርራብ ከኣ ሰኑይ ብኣካል ኣብ ናይሮቢ ክራኸቡ እዮም። ንክልቲኦም ወገናት ወኪሎም ዝርከቡ ወተሃደራዊ መራሕቲ በዓል ከምዝዀኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን። በዚ መሰረት፡ሓለፍቲ ምክልኻል ፌደራልን ወተሃደራዊ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን ብኣካል ተራኺቦም ብዛዕባ ምፍታሕ ኣጽዋር ክዘራረቡ ምዃኖምን፡ ንዕጡቓት ህወሓት ኵነታት ምምችቻእን ብዛዕባ ዝምልከት ጉዳያት፡ እቲ ካልእ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዛዕባ ምዃኑ እቲ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ። ኣምባሳደር ሬድዋን፡ "ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቈም ምስ ኣውረዱ" ክልል ትግራይ ከም ካልኦት ክልላት ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ሓይሊ ክቘመላ ምዃኑ ኣብሪሁ። "ዕጥቂ ምፍታሕ ህወሓትን ምቛም ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ኣብቲ ክልልን ክንብል እንከለና፡ገለ መሻርኽቲ ግር ክብሎም ይኽእሉ እዩ።ክልላት ግን ነናይ ገዛእ ርእሰን ሓይሊ ጸጥታ ኣለወን፤ ክልል ትግራይ ከኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ሓይሊ ጸጥታ ክህልዋ ንዘለዋ መሰል ኣይንክሕድን፡” ኢሉ። ኣምባሳደር ሬድዋን ኣተሓሒዙ፡ ክልል ትግራይ ሓይሊ ፖሊስን ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታን ከም ዝህልዋ ጠቒሱ፡ እዚ ሓይሊ’ዚ ግን ተጸዋዕነቱ ንሓደ ሰልፊ ዘይኰነስ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዝኸውን ኣረዲኡ። ብተወሳኺ እቲ ኣምባሳደር፡ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ድሕሪ 10 መዓልታት ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቀጻሊ ስጕምትታት ኣፈጻጽማ’ቲ ስምምዕ፡ ካብ መሻርኽቲ ሃገራት ትጽቢት ዝግበረሎም ነገራትን ኣብሪሁ። ኣምባሳደር ሬድዋን፡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኲናት ብቕልጡፍን ንሓዋሩን ከም ዘብቅዕ ምግባር’ውን ካብቲ ብቐዳምነት ዝተረበሉ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ። ኣስዒቡ፡ ጐነጽ ዘስዕቡ ፕሮፖጋንዳታትን ትረኻታትን እውን ደው ክብሉ ከምዘለዎም ኣብ መግለጺኡ ኣገንዚቡ። እቲ ስምምዕ፡ ሓይልታት ህወሓት "ቀለልቲ ኣጽዋር" ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ንኽፈትሑ ዝብል ገደብ ግዜ’ኳ እንተኣቐመጠ፡ እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣቋሪጹ ዝጸንሐ መሰረታዊ መሰረታውያን ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ረድኤትን፡ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ካብ ምጅማሩ ኣትሒዞም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ትግራይ መዓስ ከም ዝምለሱን ኣብ ዝምልከት ግን ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ የለን። ከምኡ'ውን ሓይልታት ኤርትራ ካብታ ክልል ዝወጽእሉ ኩነታት ኣብቲ ስምምዕ ግልጺ ኣይተገብረን። መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሕድሕድ ‘ታ ሃገር ንምቍራጽ ዘላቒ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፈሪሞም እዮም። እቲ ብረቡዕ 02 ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝዘለቐ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንሓዋሩ ከብቅዕ፡ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምጅማርን ዶብን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሕግን ሃገርና ክኽበርን ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ። እንተዀነ፡ እዚ ተስፋ ዝተገብረሉ ስምምዕ ተግባራዊ ምግባሩ ቀሊል ከምዘይከውን ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ። መንግስትን ትግራይ ብወገኖም “እዚ ስምምዕ ድልየት ህዝብና ንምምላእን ውሕስንኡ ብዘላቕነት ንምሕላውን ክንብል እንገብሮ ዘለናን ውፅኢት ቃልስናን ስለዝኾነ ንተግባራዊነቱ'ውን ብዝግባእ ክንሰርሓሉ ዘለና እዩ” ክብሉ ገሊጾም ኣለው። ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ዘተ ሰላም እንታይ ኢሎም? ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ዘተ ሰላም እንታይ ኢሎም? ውድብ ናጽነት ትግራይ [ውናት] እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት “ብመትከል” ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ። እቲ ሰልፊ ትማሊ ሓደ ሕዳር 2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝኸፍሎ ዘሎ ዋጋ ኣብ ግምት ብምእታው "ነቲ ዝበሃል ዘሎ ሰላም" ዝለዓለ ትርጉም ከም ዝህቦ ጠቒሱ። ይኹን’ምበር፡ “ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ'ውን እቲ ብተስፋ ዝግለፅ ዘሎ ነባሪ ሰላም የረጋግፅ እዩ ዝብል እምነት ኣይብልናን” ይብል እቲ ሰልፊ። እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ህይወትን ንብረትን ሲቪላውያን ዝለዓለ ህልቂት ከም ዘብጽሐ ዘዘኻኸረ ዓሲንባ ዴሞክራሲያዊ ፓርዲ [ዓዴፓ] ብወገኑ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ብዕርቀ ሰላም ጥራይ እዩ ዝፍታሕ ብምባል፡ ነቲ ስምምዕ ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ። “ኣብቲ ዘተ ሰላም ዝግበር ስምምዕ ረብሓ ህዝቢ ከይተሸራረፈ ክፍጸምን ካልኣይ ናብ ኲናት ብዘየምልስ ኣገባብ ንኽሳለጥን ጥንቃቐ ክግበር” ኣለዎ ክብል ኣተሓሳሲቡ። እቲ ኲናት፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ብዘተ ሰላም መዕልቦ ንክረክብ ዝተፈላለየ ጻዕርታት ክገብር ከም ዝጸንሐ ዝገልጽ ሰልፊ ዓዴፓ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን እቲ ኲናት “ብዘተ ሰላም መፍትሒ ረኺቡ ንኽውዳእ ዝኸድዎ ክያዶ” ከም ዝንእድ ሓቢሩ። “እቲ ዘተ ሰላም ብቑልጡፍ ናብ ባይታ ወሪዱ ተግባራዊ ኰይኑ ስቓይ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታትን ንከብቅዕን ዘላቒ ሰላም ንከምጽእን ንተግባራውነት እቲ ዘተ ሰላም ኩሉ ደላዪ ሰላምን ፍትሕን እጃሙ ከበርክትን ኣበርቲዑ ክሰርሕን” ድማ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ብክልተ ሕዳር 2022 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ወከልቲ ዝርርብ ሰላም ማእከላይ መንግስትን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ድሕሪ ዘካየዱዎ ልዝብ፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን ኣብቲ ክልል መረጻ ክሳብ ዝካየድ ናይ ስግግር መንግስቲ ክምስረትን ዝብሉ ጠለባት ዝርከቡዎ ስምምዕ ሰላም ከቲሞም’ዮም። እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ድማ፡ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት መስርሕ ትግባረኡ ኣብ ዝምልከት ልዝብ ክጅምሩ ንዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት ብምግባር፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣብ ናይሮቢ ክዘራረቡ ቀንዮም ኣለው። እዚ፡ “ረብሓናን ሕቶናን ዘየረጋግጽን ዘይምልስን ስምምዕ” ግን ከም ኣማራጺ ዘይብሉ ሕሱም ኣማራጺ “ብመትከል” ክቕበሎ’የ ዝብል ሰልፊ ናጽነት ትግራይ፡ “ረብሓናን ብሄራዊ ዕላማ ቃልስናን ካብ ሓደጋ ዘናግፍ ምምሕያሽ ክግበረሉ" ኣለዎ ኢሉ። መራሒ ልኡኽ ጉጅለ ልኡኽ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው፡ ብሰሉስ ኣብ ዝዘርርሖ ሓበሬታ፡ “ፍጡር ክጻወሮ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝተሳቐየ ህዝብና ንምድሓን ዝሕተት ዘበለ ክንገብር ኢና” ኢሉ። “ህዝብና ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሰላም’ዩ ዝደሊ። ንህዝብና ዝኣተናዮ መብጽዓ ከነተግብር ዲና ዝብል ግዜ ክምልሶ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ስምምዕ ዝገበርዎ ሕድገታት “ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ” ምዃኑ ሓቢሩ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ካብ ፖለቲካ ማእከል ሃገር ተደፊኡ ኣብ ትግራይ ዝዓስከረ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት፡ ኣብ’ቲ ክልል ብህዝባዊ መረጻ ስልጣን ከም ዝተቖጻጸረ ይዝከር። እንተዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብዝተወለዐ ኲናት፡ ብልፍንቲ ሰራዊታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ካብ ክልላዊ ስልጣኑ ተኣልዩ። በዚ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ናብ በረኻ ትግራይ ተደፊኦም። እቲ ክልላዊ ምምሕዳር ድማ ጠቕሊሉ ፈሪሱ። ኣብ መንጎኡ፡ ውድብ ብልጽግና፡ ምስ ገለ ካብቶም ኣብቲ ክልላዊ መረጻ ትግራይ ዘይተሳተፉ፡ ክልላዊ ውድባት ተሻሪኹ፡ ግዝያዊ ክልላዊ ምንግስቲ ኣቚሙ ነይሩ። ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ነቲ ሓድሽ ምሕደራ ሓንጓፋይ ኢሉ ከም ዘይተቐበሎ እዩ ዝዝረብ። ከም ብሓድሽ ዝተወደቡ ሓይልታት ትግራይ፡ ብ21 ሰነ 2013 ዓ.ም ፡ ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ፡ እቲ ነባር ክልላዊ ምሕደራ ናብ ቦትኡ ምምላሱ ይፍለጥ። እቶም ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ምስ ህወሓት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ፡ ‘ሓባራዊ መድረኽ ውድባት’ ቆይሙ ከም ዝነበረን፡ ገለ ጉዳያት ብሓባር ክዝትዩ ጀሚሮም ከም ዝነበሩ ይዝክር። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ብሰላም መዕለቢ ንኽረክብ፡ ዘተ ከም ዘካይዱ ካብ ዝንገር ኣትሒዙ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ውድባት ትግራይ ኣብቲ ዘተ ክሳተፉ ከም ዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ይኹን እምበር ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐን ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ ዘተን ንትግራይ ወኪሎም ዝቐረቡ መራሕቲ ትግራይ ጥራይ ምዃኖም ይፍለጥ። ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝርከብአን 6 ሃገራት ኲናት ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ደው ክብል ፀዊዐን ኣውስትራልያ፣ ዴንማርክ፣ ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን እናገደደ ምምጽኡ ከምዘሻቐለን ገሊፀን። መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን ወታደራዊ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ከብሉ ድማ ፀዊዐን። “ተፃብኦታት ደው ክብሉ ክሰማምዑ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ምትእጉጓልን ቀፃልነት ብዘለዎን ተበፃሒ ክኸውን ከፍቅዱ፣ ብሕብረት ኣፍሪካ ንዝምራሕ መስርሕ ዘተ ሰላም ብምኽታል ብስምምዕ ናብ መዕለቢ ክበፅሑ ፃውዒት ነቕርብ” ኢለን። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወታሃደራዊ ተሳትፎ ሓይልታት ኤርትራ ዝኾነና እተን ሃገራት፡ ሓይልታት ኤርትራ ስርሒታቶም ኣቋሪጾም ክስሕቡ ፀዊዐን። “ኩሎም ናይ ወፃኢ ተዋሳእቲ ነዚ ግጭት ዘጓሃህሩ ተግባራት ከቋርፁ ይግባእ” ክብላ’ውን ኣተሓሳሲበን እተን ሃገራት። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ከምኡ ድማ ዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ካልኦት ብዙሓት ኣካላትን ነቶም ኣብ ኲናት ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዑ ፀብፃባት ከምዘውፅኡ ሓበራዊ መግለፂ እተን ሃገራት የዘኻኽር። እቶም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ድማ “እቲ ኲናት ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ብሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ሓይልታት ትግራይ፣ ከምኡ እውን ከም ፋኖ ዝበሉ ዕጡቓትን ካልኦትን፣ ከምዝተፈጸሙ” ኣብቲ መግለፂ ተጠቒሱ’ሎ። ብዘይፍርዲ ዝፍፀሙ ቅትለታት፣ ኣካላዊ መጥቃዕትታት ከምኡ’ውን ንፆታ መሰረት ዝገበሩ ግህሰታት ኣብቶም ዝተሰነዱ ፀብፃባት ተሓቢሮም ኣለዉ። “ጥምየት ሰላማውያን ሰባት ከም ሜላ ውግእ ኣብ ረብሓ ውዒሉ እዩ ዝብል ሓበሬታ ንምእማን ዘኽእሉ ጭቡጣት መርትዖታት ብዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክርከቡ ምኽኣሎም ኣዝዩ የሻቕለና” ይብላ እተን ሓበራዊ መግለፂ ዘውፅኣ 6 ሃገራት። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ብዓለም ለኸ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተዘርግሐ ፀብፃብ መርመራ ምንቃፎምን ምንፃጎምን ይዝከር። እተን ሃገራት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኲናት ምውልዑ፡ ተወሳኺ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዓመፃትን ናይ ምፍፃም ልዑል ሓደጋ ከምዝፈጥር ኣተሓሳሲበን። “ዝኾነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝፍጸም ዓመጽ ንኹንኖ” ብምባል ድማ ኩሎም ተፃባእቲ ወገናት ነቲ ግጭት ወታሃደራዊ ፍታሕ ከምዘየለ ክግንዘቡ ሓቢረን። “መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ክልል ትግራይን፡ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ክትረክብ ንምሕጋዝ ኣብ ዝዓለመ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ክሳተፉ ንጽውዕ። ዝኾነ ዘላቒ ፍታሕ ድማ በቶም ዝተፈጸሙ ዓመፃትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ተሓታትነት ዘረጋግፅ ክኸውን ኣለዎ” ኢለን። ብተወሳኺ ኩሎም ወገናት ምትእጉጓል ዘይብሉ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዛት ክፈቕዱ፣ ድሕንነት ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዛት ከረጋግጹ ከምኡ’ውን ምስ ዓለምለኻውያን ተቖጻጸርቲ ሰብኣዊ መሰላት ክተሓባበሩን ምችው ኩነታት ክፈጥሩን ፀዊዐን ኣለዋ። ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝተናወሐ ይዝከር። እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ልዝብ ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይኽል፡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ’ዩ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝሓበረ። ክልቲኦም ወገናት (መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን) ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበሎም እማመ ዘተ ሰላም ከምዝቕበልዎ ብምግላጽ ልኡኻቶም ክሰዱ ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም ነይሮም። እቶም ንሮይተርስ ሓበሬታ ዝሃቡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ከምዝበልዎ፡ ልዝብ ዝጅምረሉ ካልእ መዓልቲ ዛጊት ኣይተቖጽረን ዘሎ። ካልኣይ ዓመት ክመልኦ ሒደት ሰሙናት ዝተረፎ ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብ24 ነሓሰ ዳግማይ ተባሪዑ ምስ ኤርትራ ብዘዳውብ ሓያሎ ከባቢታት ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ ይግለፅ። ኤርትራ ከኣ ኣብ ጐድኒ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይና ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ትዋጋእ ምህላዋ ይዝረብ። ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እንታይ ኢሉ? ሓይልታት ትግራይ፡ ብሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣርባዕተ ግንባራት ተኸፊቱ ንዝበልዎ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ከምዘፍሸሉ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ሓቢሩ። እንተኾነ ግን ኣብ "ዝተወሰኑ ከባቢታት ምድፍፋእ ከጋጥም ይኽእል እዩ” ብምባል፡ ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተወሰነ ቦታታት ከምዘንሳሓቡ፡ እቲ ዋና ኣዛዚ እቶም ሓይልታት ገሊጹ። ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ “ኣብ ሽራሮ ኣሎ። ካብ ሽራሮ ክሳብ ኣደመይቲ ኣብ ዘሎ ቦታታት ተቖጻጺሩ ኣሎ" ክብል'ውን ከሲሱ። ከተማ ሽራሮ: ካብ ዶብ ኤርትራ፡ ኣስታት 50 ኪሎሜተር ርሒቓ እያ እትርከብ። ቢቢሲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ንሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኢመይል ጺሒፍና ዛጊድ ምላሽ ኣይረኸብናን። ቅድም ኢሎም ግን፡ 'ህወሓት መጥቃዕቲ ክፍጽመልና ይዳሎ ኣሎ' ዝብል ክሲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይስማዕ ነይሩ እዩ። ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዝነበረ ምቁራጽ ተጻብኦ ፈሪሱ፡ ናብ ካልእ ዙር ኲናት ካብ ዝኣትዉ ኣስታት ሰለስተ ሰሙናት ተቖጺሮም ኣለዉ፡፡ ነቲ ኲናት ዳግም መን ጀሚርዎ ዝብል፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ሓይልታት ነንሕድሕዶም ዝካሰሱ ዀይኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ነቲ ውዕል ሰላም ከምዘፍረስዎ እዩ ዝኸስስ። መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት ግእዝን ቅዱስ ዮሃንስን፡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ተኹሲ ደው ንምባል፣ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ሰላም፡ ንምስታፍ ድሉዋት ከምዝኾኑ ብምሕባር ተላዘብቲ ወኪላቶም ዕላዊ ገይሮም፡፡ እቲ ስጉምቲ፡ ብኣመሪካ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ናእዳ ዝረኸበ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ዛጊድ ዝሃቦ ምላሽ የለን፡፡ እንተኾነ ግን ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክዳነዩ ከምዝደልዩ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ሰላም ከምዝመዘዘ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ’ዩ። ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ትማሊ ሰሉስ 03 መስከረም 2015 ዓ.ም. (ግእዝ) ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ብደቡብ ገጽ ዝኸፈትዎ ጸረ መጥቃዕቲ ከምዘይቀጸልሉ ተዛሪቡ። ናይቲ ዋና ኣዛዚ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ብብዙሓት ኣንፈታት ተጋዲዱ ቀጺሉ ከምዘሎ የመልክት። “ክነትርፎ ዘይንኽእል ኩነታት እዩ ተፈጢሩ” ዝበለ እቲ ጀነራል፡ ነቲ ኩነታት ክከታተሉ ከምዝጸንሑን ተዳልዮም ከምዝነበሩን ይገልጽ። እቲ ኣዛዚ፡ ብደቡብ ወልድያ ግንባር፣ ብኣበርገለ፡ ብዓዲ ኣርቃይን ከምኡ'ውን ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምዃን ብባድመ/ኣድያቦ ገጽ ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ፡ “ምናልባሽ እውን ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን ዝፈተንዎ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸበደ እዩ ነይሩ” ብምባል ነቲ መጥቃዕቲ ይገልጽ። ገዚፍ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብደደቢት፡ ምስቲ ብኣድያቦ ገጽ ዝመጸ ሓይሊ ምርኻብ ዝብል ሓሳብ ከምዝነበረ ዘረድእ ጀነራል ታደሰ፡ ክልቲኡ ሓይሊ ከይራኸብ ከምዝገበሩ ይገልጽ። ኣብ ልዕሊ'ቲ ከጥቅዖም ዝመጸ ሓይሊ ሓያል ጉድኣት ከምዘውረዱ'ውን እቲ ኣዛዚ ተዛሪቡ። ሰብመዚ መንግስቲ ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ከቢድ ክሳራታት ከምዘውረዱ'ዮም ዝገልጹ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ኩሎም ወገናት'ውን ብዛዕባ ዝወረዶም ክሳራታት ብንጹር ኣይገልጹን'ዮም። ጸኒሑ ካብ ወተሃደራዊ እዚ ሓይልታት ትግራይ ዝወጽአ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ዝተፈላላኡ ግንባራት ብዙሓት ክፍላተ-ሰራዊት ከምዝተሳተፉ ጠቒሱ ነይሩ። እንተዀነ፡ ካብ መንግስታት ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ዛጊድ ብዛዕባ እዚ ዝተብሃለ የለን። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ብኣመሪካ ንዝቐረበ "ኤርትራ ንግጭት ኢትዮጵያ ተጓሃህሮ'ላ" ዝብል ክሲ ነጺጉ። ብወገን ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ውግእ ዝምልከት ዝወጸ ዝርዝር ሓበሬታ የለን። እዚ ከምዚ ኢሎ ከሎ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ረቡዕ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ገሊጾም ኣለዉ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ብውሑድ 10 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሜዲካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ዶክተር ክብሮም ገብረስላሴ ንቢቢሲ ገሊጹ። ክልተ መጥቃዕቲታት ድሮን ከምዝተፈጸሙ ዝሓበረ እቲ ሜዲካል ዳይረክተር፡ ዛጊድ 10 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት ልዕሊ 10 ሰባት ድማ ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ንሱ ከምዝብሎ እቲ መጥቃዕቲ ንጉሆ ሰዓት 01፡30 (7፡30ቅቀ) ኣቢሉ ዳግም ኣምሳል ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ እዩ ተፈጺሙ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ብሰሉስ 13 መስከረም 2022 ኣብ ክልተ ከባብታት ከተማ መቐለ መጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተፈጸመ ተገሊፁ ምንባሩ ይዝከር። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነዚ መጥቃዕቲ ድሮን ብዝምልከት ዝተወሃበ መግለፂ የለን። ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተናዊሑ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም ኢትዮጵያ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ። እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ልዝብ ብሰንኪ ጸገማት ሎጀስቲክስ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ክጅምር ከምዘይኽል፡ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ነቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ንክልቲኦም ወገናት ኣብ ርእሰ ከተማ ፕሪቶርያ ንምርኻብ'ዩ ጻዕርታት ዘካይድ ዘሎ። ክልቲኦም ወገናት ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበሎም እማመ ዘተ ሰላም ከምዝቕበልዎ ብምግላጽ ልኡኻቶም ክሰዱ ድሉዋት ምዃኖም ኣፍሊጦም ነይሮም። እቲ ዝተወጠነ ዘተ ሰላም ንፈለማ እዋን ብወግዒ ዝካየድ ክኸውን'ዩ። እቶም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ከምዝበልዎ፡ ልዝብ ዝጅምረሉ ካልእ መዓልቲ ዛጊት ኣይተቖጽረን ዘሎ። እቲ ዘሸማግል ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ምድንጓያት ዝሃቦ መግለጺ የለን። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሓይልታት ትግራይ'ውን ብዛዕባኡ ዝተባህለ የለን። ኣብዚ እዋን'ዚ እታ ማእከል ናይቲ ኲናት ዝኾነት ትግራይ ኣብ ዕጽዋ ስለእትርከብ ካብን ናብን እታ ክልል መጓዓዝያ ምድሪ ይኹን በረራታት ኣየር ተቛሪጹ ምህላዉ ይፍለጥ። ሕብረት ኣፍሪቃ ብረቡዕ፡ ንመንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኺቦም ንክዘራረቡ ናይ ዕድመ ደብዳበ ክልእኸሎም እንከሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዕድመ ከም ዝተቐበሉዎ ኣፍሊጦም'ዮም። እንተኾነ ግን መራሕቲ ትግራይ፡ ዋላ'ኳ ነቲ ዝቐረበሎም ዕድመ እንተተቐበልዎ ተወሳኺ መብርሂታት ክወሃቦም ሓቲቶም ነይሮም። ኣብ መግለጺኦም፡ ኣብቲ ዘተ መን ከምዝሳተፍ፡ ተዓዘብቲን ኣውሓስቲ ኣካላትን ክህልዉ እንተኾይኖም፡ ከምኡ'ውን ተራ ማሕበረሰብ ዓለም እንታይ ከምዝኸውን ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብዘይካ'ዚ፡ ድሕነት ናይቶም ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ወከልቲ ትግራይ ንምውሓስን ሎጀስቲካዊ ምድላዋት ብዝምልከትን እቲ ሕብረት ዘለዎም ውጥን ክገልጸሎም ተማሕጺኖም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት ክልቲኦም ወገናት ንዘተ ዘርኣዩዎ ቅሩብነት ዝነኣድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣደራደርቲ ኣካላት በዓል መን ምዃኖም ኣፍሊጡ ነይሩ። በዚ መሰረት፡ እቲ ዘተ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጎን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፑምዚል ምላምበፐ-ንጹካን ክምራሕ እዩ። እቶም ኣደራደርቲ ሰፊሕ ልምዶምን ዓቕሞምን ብምጥቃም፡ ዘላቕን ኣሳታፍን ዘተ ምክያድ ከም ዝኽእሉ ሙሉእ እምነት ከምዘለዎ ሙሳ ፋኪ ተዛሪቡ። "እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ዝካየድ ዘተ ሰላም፡ ነቲ ኲናት ብሰላም ደው ንምባል መሰረት ዝኾኑ መትካላት፡ ናይ ኣጀንዳ ጉዳያት፡ ኣሰራርሓታትን ናይ ግዜ ሰሌዳን ምይይጥ ከካይድ ትጽቢት ይግበረሉ" ክብል እቲ ሕብረት ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ፕሪቶርያ ዘተ ብሸነኽ ክልቲኦም ወገናት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸዱ ዘለው በዓል መን'ዮም ዝብል እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ዝካየዱ ዝርርባት ሰላም ዝውከሉ ሰብመዚ ተፈሊጦም ነይሮም'ዮም። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ክሳብ ረቡዕ ተናዊሑ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ንተወሳኺ መዓልታት ከምዝተናውሐ፡ ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎ ምንጪ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ንክልተ ዓመታት ዝቐፀለ ኲናት ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ንምፍታሕ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ልዝብ ኣብ ምክያድ ይርከብ። ዝሓለፈ ሰሉስ ዝጀመረ ዘተ ሰላም ትማሊ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክዛዘም ትፅቢት ይግበር ነይሩ። እቲ ዝርርብ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ስለዘይተዛዘመ፡ ንተወሰኽቲ መዓልታት ከምዝቕጽልን ክሳብ ረቡዕ ከምዝፀንሕን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ መዛዘሚ እቲ ልዝብ ድማ ሓበራዊ መግለፂ ክወሃብ ትፅቢት ይግበር። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን (ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ) ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ላዕለዎት ወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ይሳተፉ ኣለዉ። ክልቲኦም ሓይልታት ፍልልያቶም ብዘተ ንምፍታሕ ዕጹው ኣኼባታት ኣብ ምክያድ ከምዝርከቡን፡ ዛጊት ግን ኣጀንዳ ናይቲ ልዝብ ኮነ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝበጽሐን ዝፍለጥ ነገር የለን። ምዕራባውያን ሃገራትን ነቲ ዘተ ሰላም ዝመርሕ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ፡እቲ ዝርርብ ነቲ ደማዊ ኲናት ከብቅዕ ዝገብር ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ኣቐዲሞም ክገልፁ ፀኒሖም’ዮም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፡ እቲ ድርድር ከምዝጀመረ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ሕብረት ኣፍሪቃ ድምፂ ተኹሲ ከይስማዕ ከምኡ’ውን ዝሓበረት፣ ዝተረጋግአትን ሰለማዊትን ኢትዮጵያ ክውን ንምግባር ዝካየድ ዘተ ሰላም ንምድጋፍ ቆሪፁ ከምዝተልዓለ ኣፍሊጡ ነይሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ እዚ ናይ ሰላም ልዝብ "ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ትስፉው መንገዲ" ምዃኑ ብምግላፅ፡ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ተላዘብቲ ነቲ ግጭት ናይ መወዳእታ ፍታሕ ንምርካብ ነቲ ጉዳይ ቆላሕታ ክገብሩሉ ኣተሓሳሲቡ። ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪካ ነበር ፑምዚለ ማላምቦ-ናኩክን ነቲ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ይመርሕዎ ምህላዎም ይፍለጥ። ኣብቲ ልዝብ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን በይነ-መንግስታዊ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃን (ኢጋድ) ናይ ተዓዛቢ ተራ ከምዝህልዎም ሕብረት ኣፍሪቃ ሓቢሩ’ሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ተዋጋእቲ ሓይልታት ኲናት ደው ኣቢሎም ፍልልያት ብዝርርብ ክፈትሑ ብተደጋጋሚ ጻዕርታት ከካይድ ጸኒሑ'ዩ። ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ክዘራረቡሉ ዝኽእሉ ጉዳያት ብንፁር እኳ እንተዘይገለፁ፤ ሕብረት ኣፍሪቃን ምዕራባውያን ሃገራትን ግን ነቲ ግጭት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ክጽዕሩ ምፅንሖም ይፍለጥ። ብወገን ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝግበር ዘተ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ምባል፣ ደረት ኣልቦ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉን ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጻእን ቀዳምነት ዝህብዎም ጉዳያት ከምዝኾኑ ክሕብሩ ፀኒሖም’ዮም። መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ "ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት" ንዝርርብ ድሉው ምዃኑ ኣቐዲሙ ገሊፁ ነይሩ። መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ትግራይ እናሓየለ ኣብ ዝቕፅለሉ ዘሎ እዋን’ዮም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንልዝብ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ናይ ፌደራል መንግስቲ ውሁድ ሓይልታት ብርክት ዝበሉ ከተማታትን ከባብታትን ትግራይ ካብ ሓይልታት ትግራይ ሓራ ከም ዘውፀአ ተገሊፁ እዩ። ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ 'ተባዕ ስጉምቲ' እያ ወሲዳ ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ናይታ ሃገር ሓድነትን ምርግጋእን ንምውሓስ ተባዕ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ' ክብል ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ገሊጹ። ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ነዚ ዝገለጸ ኣብ'ቲ ኣብ ጁቡቲ ዝተኻየደ መበል 38 ህጹጽ ኣኼባ ሃገራት ኢጋድ እዩ። እቲ ኣቦ ወንበር ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ብዝምልከት ክዛረብ እንከሎ፡ ፈዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ "ሕገ መንግስቲ ናይታ ሃገር ንምኽባር'ዩ" ብምባል፡ እዚ ኸኣ "ዝኾነት ሃገር ክትገብሮ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዋ" ኢሉ። እቲ ኣቦ ወንበር፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ክዘራረቡ ጸዊዑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ሙሳ ፋኪ ካልእኸ እንታይ ኢሉ? ሙሳ ፋኪ ድሕሪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ብዙሕ ሰብ ከምዝተፈናቐለ ብምግላጽ፡ ሃገራት ኢጋድ ነቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ፍሉይ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ እትግብሮ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ጎና ደው ክብላ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ኣብቲ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሃገራት ኢጋድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ደገፈን ገሊጸን። ነዚ ስዒቡ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "እቲ ሕጊ ንምኽባር ኢልና ዝወስድናዮ ስጉምቲ፡ ሕጋውነቱ ተረዲኦም ኣፍልጦ ብምሃብ ከምኡ'ውን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዝወሰድክሞ ቆራጽ ስጉምቲ ኣመስግን" ብምባል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሒፉ። ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት፡ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ጽልዋ ከምዝፈጥር ክንገር ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ'ውን ነዚ ኣርእስቲ እዚ ከምዝተመያየጣሉ ተገሊጹ። ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ 28 ሕዳር ምስ ተቆጻጸርዎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ከምዝተወደአ ገሊጹ። ሓይልታት ትግራይ ግን እቲ ውግኣት ይቕጽል ምህላዉ እዮም ኣብ'ቲ እዋን ገሊጾም ነይሮም። እንተኾነ፡ ካብ 04 ሕዳር ንደሓር ካብ ወገን ሓይልታት ትግራይ ዝተውሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። እንተኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ ውግኣት ከምዝቐጸለ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለዉ። ብሰንኪ እቲ ኵናት፡ ብኣሸሓት ዝቁጸር ህይወት ሰብ ከምዝሓለፈ ክግመት እንከሎ፡ ብዘይካ እቶም ብሰንኪ እቲ ኵናት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተፈናቐሉ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት'ውን ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘዘርራቦ ቀዳማይ ሚኒሰትር ሱዳን ዓብዳላ ሓምዶክ፡ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታ፡ ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፈርማጆ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ገለን ተመያይጡ'ሎ። ዋና ቤት ጽሕፈት ሃገራት ኢጋድ ኣብ ጅቡቲ ኮይኑ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፤ ኬንያ፡ ሶማልያን ኡጋንዳን ድማ ኣባላት እዚ ዞባዊ ማሕበር እየን። መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኮኒኖም መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንቅትለት ጆርጅ ፍሎይድን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለው ኣመሪካውያን ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲን ብትሪ ኮኒኖም። ምትእኽኻብ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ነዚ ቅትለት ብሓደ ክቃወምኦ ከምዘለወንን፡ እቶም ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ክቐርቡን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ከምዚ ዓይት ገበናት ዝፈጸሙ ብሕጊ ክቕጽዑን ኣተሓሳሲቦም። ፕረዚደንት በኒን ነበር ኒሰፎር ሶገሎ፡ "ከመይ ዝኣመሰለ ጨካነ ክትፍጽም ኣለካ፡ ኩሉ ዓለም ተንሲኡ ቊጥዕኡ ክገልጽ! መን እዩ እሞ ደፊሩ፡ ገጾም እናተራእየ፡ ንኤውሮጳውያን፡ ዓረብ፡ እስራኤላውያን፡ ህንዳውያን፡ ቻይናውያን፡ ጃፓናውያን፡ ኣርጀንቲናውያን ብኸምዚ ክጭፍልቖም ዝኽእል። ኣይክል!" ክብል ዝተሰምዖ ቁጠዐ ገሊጹ። ፕረዚደንት ጋና ኣኩፎ ኣዶ ብወገኑ፡ "ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣብ ኣመሪካ ምስ ዘለው ኣባላት ስድራና ኣዝማድናን ደው ንብል። ከምኡ'ውን እዚ ዘሕዝንን ጫካነ ዝመልኦ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ኣመሪካ ነባሪ ለውጢ ከምጽእ ተስፋ እገብር" ኢሉ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ምስ ኣመሪካ ተሓባባቢሩ ነዚ ዘሎ ዓሌታዊ ውጥረት ኣብ ምህዳእ ተራ ክጻወትን፡ ማሕበራዊ ጥምረት ኣብ ምዕባይ ክዋሳእ ተላቢዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንቅትለት ናይቲ ኣብ ኢድ ፖሊስ ዝሞተ ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ'ውን ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ሚኒሶታ ምስ ሞተ፡ ትኽክለኛ ምኽንያት ሞት እቲ ውልቀሰብ ብሕክምና ክጻረ ድሕሪ ምቕናዩ ሎሚ መዓልቲ ብሰብ ከም ዝተቐትለ ዘረጋግጽ ውጽኢት መርመራ ኣስክሬን ተገሊጹ ኣሎ። ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም እንታይ ይብል? ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም እንታይ ይብል? ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ሎሚ መዓልቲ ክልተ ዓመቱ ደፊኑ። ብሰላማዊ ልዝብ ክዓርፍ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 10 መዓልታት ዝወሰደዝርርብ ከካይዱ ድሕሪ ምቕናዮም ትማሊ 02 ሕዳር 2022 "ቀዋዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት" ፈሪሞም። ኣብቲ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ክካየድ ዝፀንሐ ድርድር፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ቀንዲ ሸሞንተ ነጥብታት ስምምዕ ከምዝበጽሑ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን'ውን ብዛዕባ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተሰምዖም ይገልጹ ኣለዉ። ነቲ መስርሕ ሰላም ንምዕዋት ክሰርሕ ዝጸንሐ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ እቲ ስምምዕ ከምዝተበጸሐ ኣብ ዘበሰረሉ እዋን "ንኢትዮጵያ ምጅማር ሓድሽ ወጋሕታ'ዩ" ክብል ኣብቲ ትማሊ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ስነስርዓት ፌርማ ኣዊጁ። "ሎሚ ንኢትዮጵያ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ንመላእ ኣፍሪቃ ምጅማር ሓድሽ ወጋሕታ'ዩ" ዝበለ ኦባሳንጆ፡ እቲ ስምምዕ መርኣያ ናይቲ"ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ንኣፍሪቃዊ ጸገም" ዝብል መትከል ምዃኑ ተዛሪቡ። ሓደ ካብቶም ኣሸማገልቲ ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ድሕሪ ምክታም እቲ ስምምዕ ንጋዜጣኛታት ኣብ ዝሃቦ መግልጺ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ብረት ጥይትን ጎንጽን ፍታሕ ኣይኮንን ኢሉ። ወሲኹ'ውን “እቲ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ፖሎቲካዊ ዘተ’ዩ” ብምባል ንዕኡ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ሓቢሩ። ብምስዓብ “ሰባት ኮፍ ኢሎም ምስ ተዘራረቡ’ዩ ፍልልዮም ፈሊጦም ክሰማምዑን ክፈትሕዎን ዝኽእሉ፡ እዚ’ዩ ኸኣ ንኢትዮጵያ ብዓቢኡ ኸኣ ንኣፍሪቃ ብሓድነት ከንብራ ዝኽእል" እዩ ኢሉ። ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካ ብወገና፡ "ቀንዲ ነገር ናይዚ ስምምዕ ብረት ከምዝሃድእ ብምግባር ቅትለት ደው ንባል እዩ" ድሕሪ ምባል ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ማሕበረሰብዓለም ካብ ጎኖም ከይፍለ ተማሕጺና። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር'ውን፡ እቲ ዝርርብን ዝሰዓበ ስምምዕን ኣብ ሃገራ ምክያዱ ከምዘሐብና ድሕሪ ምግላጽ፡ "ኣብዚ ክፍሊ'ዚ እታ ዝለዓለ እፎይታ ዝረኸበት ሰብ ኮይነ ኣለኹ" ክትብል ተዛሪባ። ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ'ውን ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘለዎም ናእዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጾም ኣለዉ። ናይዚ እዋን ኣቦመንበር ባይቶ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምንኣድ፡ "ጽቡቕ ዜና'ዩ" ኢሉ። "ንኹሎም ወገናት ዮና እናበልኩ፡ ክሳብ ናብ ምሉእ ሰላም ዝበጽሑ ክዕቅብዎ አተባብዖም" ክብል'ውን ተላብዩ። ፕረዚደንት ጎረቤት ሃገረ ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ "ንዞባናን ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትናን ጸጥታ፡ ሰላምን ብልጽግናን" ከምጽእ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ። "ነቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ዕዉት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት እንእድ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ብዘይካ'ዚ፡ ኬንያ ንመስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ክትድግፍ ቃል ከምዝኣተወት ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሳሙይ ሩቶ ገሊጹ'ሎ። እቲ ፕረዚደንት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ጉጅለ ድርድርን ንዝምልከቶም ወገናትን ዘለዎ ደገፍ ከሐይል ትማሊ 02 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ። ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ዘርኣይዎ ተወፋይነት ምስቲ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ ዘሎ ሓባራዊ ድሌት ዝሰማማዕ ከምዝኾነ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። እቲ ስምምዕ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምፍጣር ምቹእ ሃዋህው ዝፈጥር ምዃኑ ዝገለጸ ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኢትዮጵያውያን በዚ ስምምዕ ዝተዋህቦም ዕድል ተጠቒሞም ንሃገሮም ሓዱሽ ምዕራፍ ሰላምን ራህዋን ክፈጥሩ ኣተሓሳሲቡ። ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ድማ ዘመን ሓድነትን ምትሕግጋዝን ዕርቅን ክህሉ ተመንዩ። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳን ውድብ ጥዕና ዓለምን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ትካላትን ሕብረታትን ብዛዕባ እቲ ውዕል ሰላም ዘለዎም ርእይቶታት ገሊጾም ኣለዉ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነቲ ደማዊ ኲናት ንምቁራጽ "ወሳኒ ቀዳማይ ስጉምቲ" ብምባል ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ንኢዱ። ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተገብረ ስምምዕ፡ ነቲ ናይ ብዙሓት ህይወትን መነባብሮን ዘዕነወ ኲናት ንምቁራጽ ተስፋ ዘለዎ ጅማሮ ከምዝኾነ ብወሃቢ ቃል ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ንኹሎም ኣብ ምውህሃድን ምምራሕን እቲ ድርድር ዝተሳተፉ ወገናት ዘመስገነ ጉተረዝ፡ "ኣብቶም ዝተረፉ ጉዳያት ነባሪ ፖለቲካዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ብመንፈስ ዕርቂ ድርድር ክቕጽል" ከምዝድግፍ’ውን ብምግላጽ ክልቲኦም ወገናት እታ ሃገር ናብ ሰላምን ምርግጋእን ንከምልስዋ ጸዊዑ።] ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ'ቲ ምስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘካይድሉ ዘለዉ ሓበራዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ኣቢሎም ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወጽኡ ሓቲቶም ምንባሮም ይዝከር። ጉተረዝ፡ “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ” ብምባል ተጻባእቲ ሓይልታት ብቕልጡፍ ናብ ሰላማዊ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ ነይሩ። ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሙሳ ፋኪብወገኑ እቲ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ ስጉምቲ ኣብ ትግራይ ምርግጋእ ዝፈጥር’ዩ ክብል ገሊጽዎ። “እዚ ኣብ ትግራይ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ሳላ መሪሕነት [ክልቲኦም] ወገናትን ንዝለዓለ ረብሓ ኢትዮጵያን እዩ” ኢሉ። ንኣፍሪቃዊ ሕብረትን (ጉጅለ ኣዛተይቲ) ነቲ ዝርርብ ዘአንገደት ደቡብ ኣፍሪቃ ዘመስገነ ሙሳ ፋኪ፡ “ሕብረት ኣፍሪቃ ንጻዕርታቶም ንምድጋፍ ድሉው” ከምዝኾነ’ውን ሓቢሩ’ሎ። እቲ ፓነል፡ ብፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደበብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ዝርከብዎ’ዩ። ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ገጹ ዘርጊሑ እዩ። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ "ሰላም ናይ ጥዕና ቅድመ ኩነት እዩ። እቶም ወገናት ኣብ ትግራይ፡ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽወርድ ንምስራሕ ዝኣተውዎ ተወፋይነት ብሓጎስ ንቕበሎ" ኢሉ። ውድብ ጥዕና ዓለም ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ህይወት ናይቶም ኣብ ከቢድ ስእነት ዝርከቡ ሚልዮናት ንምድሓን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ህጹጽ ተበጻሕነት ከምዘድሊ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ተበጻሕነት ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ለበዳ ሕማማት ንፁር ሓበሬታ ክረክብ ከምዘይከኣለ ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ውድብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ “ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ረድኤት ክበጽሕ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ረድኤት ክተሓባበር” ምስምማዖም ስዒቡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትግራይ ዝጠልቦ ዝነበረ “ህጹጽ ተበጻሕነት” ከምዝረክብን ህይወት ናይ ምድሓን ስርሑ ከምዝቐጸልን ትጽቢት ይግበር። ኣመሪካ፡ ብመንገዲ ፍሉይ ልኡኽ እታ ሃገር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ኣበላ ኣብቲ ዝርርብ ከም ተዓዛቢት ክትሳተፍ ምጽንሓ ይፍለጥ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ናይ ፌርማ ስነስርዓት ተረኺቡ ነይሩ። “ነቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንቕበል” ክብል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን መልእኽቲ ኣሕሊፉ። ንሱ’ውን ከምቶም ካልኦት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብዚ ንኽበጽሑ ንዘካየዶ እጹብ ጻዕሪ መጕሱ። ብሊንከን፡ ኩሎም እቶም ኣሸማገልቲ፡ እዞም ንኽልተ ዓመታት ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዝጸንሑ መንግስቲ ፈዴራልን ህወሓትን ናይ ሰላም ስምምዕ ንኽፍርሙ ዝገበርዎ ጻዕርን፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ ዘተ ንምእንጋድ ንዝወሰደቶ ተበግስን ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብሕቡራት ሃገራት፡ ብኢጋድን ካልኦትን ኣብ ዝምምዕ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ኣሜሪካ እኹል ደገፍ ከምእትገብር ገሊጹ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ተዘራሪቡ ከምዝነበረ ተገሊጹ እዩ። እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ነቲ ግጭት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ምምኽኻር ከምዝቕጽል ገሊጹ ነይሩ። ኣንቶኒ ብሊንከን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ነቲ ግጭት መፍትሒ ከምዘይከውንን እቲ ልዝብ ሰላም ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ቀጻሊ ሰላም ከምጽእ ተስፋ ዘለዎ መገዲ ከምዝኾነ ምሕባሩ ይዝከር። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ትማሊ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብሓጐስ ከምዝተቐበሎ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ገሊጹ። እቶም ኣብ ስምምዕ ዝበጽሑ ወገናት እንቋዕ ሓጐሰኩም ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ነቲ ውዕል ሰላም ዘፈጸመ ሕብረት ኣፍሪቃን ተዓዘብትን ከምኡ ኸኣ ነቲ ዘተ ዘአንገደት ደቡብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ እዩ። እቶም ተዛተይቲ ኣካላት፡ ንምቁራጽ ተጻብኦታትን ዳግመ ምምላስ መሰረታውያን ህዝባውያን ኣገልግሎታትን ምስምምዖም ሓጐሱ ዝገለጸ እቲ ሕብረት፡ ኣብ ጐድኒ ስድራ'ቶም ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተቐተሉን ግዳያት ዝዀኑን ከምዘሎ ገሊጹ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ህጹጽ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅስን ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎትን ጸዊዑ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ 15 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሃማት እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጸንኪሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ፤ ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ካብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ፍልይ ብዝበለ ቃና፡ "ህጹጽ፡ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅሲን ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎታት፡" ክትግበርን ጸዊዑ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ትግራይ፡ ብሸነኽ ዶብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣሰካፊ ብዝዀነ መልክዑ ጸንኪሩ ይቕጽል ምህላው ክግለጽ እንከሎ፡ ኣቓልቦ ዝተፈላለዩ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ትካላት ስሒቡ፡ ብቕጽበት ደው ንኽብል መጸዋዕታታት ክቐርበሉ ይስማዕ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪቱ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት መንግስቲ ክልል ትግራይ ትማሊ 16 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ጻውዒት ከም ዝቕበል ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ነቲ ብ11 መስከረም 2022 ብመራሕቲ 'ቲ ክልል ዝወጽአ፡ ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንኽግበር ዝቐረበ ጻውዒት፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ኣካላትን ደገፍን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ብምጥቃስ፡ ንግብራውነቱ ግን ዛጊት ዝተግበረ ነገር ከም ዘየለ የመልክት። እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ሽረ እንዳስላሰ ንኣንፈት ሰሜን ኣስታት 35 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ዓዲ ዳዕሮን ዓዲ ነብሪኢድን ይካየድ ከምዘሎን፣ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ድማ ጽዑቕን ተኸታታሊን ደብዳባት ድሮንን ኣየርን ከምኡ’ውን ከቢድቲ ብረት ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ከባቢ ኣረጋጊጾም። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጕተረዝ፡ ሓላፊት ኣህጉራዊ ትካል ረዲኤት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ - ዩኤስኤይድ -ሳማንታ ፓወር፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ሽረን ከባቢኡን ዝካየድ ዘሎ ጽዑቕ ኲናት ደብዳብ ከም ዘሻቐሎም ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። ሳማንታ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብቲ ተመዛበልቲ ዝተዓቝቡሉ መዓስከራት እንተኣትዮም ክስዕብ ዝኽእል ግህሰትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣሻቓሊ ምዃኑ፡ ገሊጻ እያ። ጆሴፍ ቦረል’ውን፡ ኣብ ሽረ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዘመላኽቱ ጸብጻባት ምውጽኦም ኣሰንባዲ ከምዝዀነ ብምግላጽ ምኽባር ዓለምለኻዊ ሕግታት ግዴታ ምዃኑ ኣመልኪቱ ነይሩ። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ኣብቲ ዝወጽአ ሓድሽ መግለጺ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብቲ ኣቐዲሞም ዝተሰማምዑሉ ብሕብረት ኣፍሪቃዊ ዝምራሕን ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝረኸበን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝተመደበ ቀጥታዊ ዘተ ሰላም ንኽምለሱ ጸዊዑ’ሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ 1 ጥቅምቲ 2022 ንመንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ትግራይን፡ ቀጥታዊ ዘተ ከካይዱ ጻውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ እቲ ጻውዒት፡ ዘተ ብዘይ ቅድመ ዅነት ክካየድ ምስ ዝብል ጽኑሕ መርገጺኡ ዝሰማማዕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ከም ዝተቐበሎ ክገልጽ እንከሎ፡ መራሒ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ናብ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነቲ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ልዝብ ምቹእ ኵነታት ንምፍጣር፡ ህጹጽ ሓባራዊ ስምምዕ ብምግባር፡ ግጭታት ንምቍራጽ ከም ዝሰማምዑ ብምሕባር፡ ኣብቲ ዝካየድ ልዝብ ክሳተፉ ድልውነቶም ኣረጋጊጹ ነይሩ። መራሕቲ ትግራይ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝነበረ ጻውዒታት፡ ዘተ ንምክያድ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ምጅማር ኣገልግሎታት፡ ምውጻእ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብቲ ክልል ክትግበር ይሓቱ ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ። እንተዀነ ኣብዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝተሓስበ ልዝብ ነዚ ቅድመ ኵነት ኣየቕረብዎን። ይዅን እምበር፡ እቲ ሕብረት ብዛዕባ እቲ ዝተሓስበ ዘተ ኣቐዲሙ ከም ዘየማኸሮም ብምግላጽ፡ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ዝህልዉ ካልኦት ተዋሳእቲ፡ ተዓዘብቲ ወይ ኣውሓስቲ ኣካላትን፡ ንተራ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተሓስበን ብዝምልከት፣ ከምኡ'ውን ንጕዕዞን ጸጥታን ተዛታዪ ጕጅለ ዝምልከቱ ነጥብታት መብርሂ ንኽወሃቦም፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ደብዳበኡ ኣመልኪቱ ነይሩ። እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕወሓትን ዝተሓስበ ቀጥታዊ ልዝብ ሰላም፡ ብሽምግልና ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዶክተር ፑምዚል ምላምባፐ-ናግኩካን ንዝሓለፈ 9 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተወጢኑ ምንባሩ ይዝከር። ሓደ ካብ መንጐኛታት ዝዀነ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ነቲ ዘተ ዝምልከት ንጹርን ዝርዝርን ሓበሬታ ኣቐዲሙ ክቐርብ ይግባእ ምንባሩ ብምምልካት፣ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝሓዞ መደብ ስለዝተደረበ ኣብቲ ልዝብ ከምዘይሳተፍ ንኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ብደብዳበ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ልዝብ ንኽጅምር ሓደ መዓልቲ ምስተረፎ፡ ዓርቢ 7 ጥቅምቲ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ንዲፕሎማስያዊ ምንጪታት ጠቒሱ፡ እቲ ልዝብ ብሎጅስቲካዊ ምኽንያታት ንዘይተወሰነ ግዜ ከም ዝተመሓላለፈ ሓቢሩ። እዚ ሓድሽ መግለጺ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበርን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ክጅምርን ዝጽውዕ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ክብሎ ዝጸንሐ ብዘይዝዀነ ይዅን ቅድመ ኵነት ዘተ ኽካየድ ዝሓትት መርገጺ ብገለ ሸነኹ ዝጻረርን፡ ብኣንጻሩ ናብቲ መሪሕነት ትግራይ ክሓትዎ ዝጸንሑ ዝቐርብን ይመስል። "ብዝግበር ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክንቅየድ ድልዋት ኢና፡" ዝበለ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽኡን፡ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንምትግባር ግብራዊ ስጕምትታት ክውሰድን፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ መኣቲ ዘተ ንኽመጽእ ጸቕጢ ንኽግበር ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ። ነዚ ብኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት ዝቐረበ ሓድሽ መጸዋዕታ ኣመልኪቱ መንግስቲ እትዮጵያ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን። እቲ ኣስታት ክልተ ዓመት ኰይኑዎ ዘሎ ኲናት ዛጊት ሰላማዊ ፍታሕ ከምዘይተረኽቦ፣ ብኣንጻሩ ዝያዳ ተጓሃሂሩ ይቕጽል ምህላውን ይንገር። ሕቡራት ሃገራት መሸጣ ንኣሽቱ መሳርሒ ኵናት ከይፍጸም ኣድሚጹ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ብከቢድ ናዕብታት ዝተጠቕዐት ሃይቲ መሸጣ ኣጽዋር ኵናት ከይግበር ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ። እቲ ዝጸደቐ ኣዋጅ ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ናብ ሃይቲ ንኣሽቱ ብረትን ተተኮስትን ንኸይሸጣ ዝእግድ’ዩ። እንተኾነ ግን መሸጣ መሳርሒ ኵናት ብምልኣት ንኽእገድ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ብቻይና ተነጺጉ’ዩ። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ከተማ ፖርት ኡዩ ፕሪንስ ጥራይ 89 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ። ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቲ ብሃገራት ሜክሲኮን ኣመሪካን ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ትማሊ ዓርቢ’ዩ ጸዲቑ። እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ሸፋቱ መራሕቲ ሃይትን ተጋሰስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ጉዕዞ ክልከላን ምድስካል ሃብተ ገነትን ዝሓውሰ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት ፖለቲካ ሃይቲ ንኽከታተል ዝተጣየሸ ልኡኽ ድማ ሓላፍነቱ ንሓደ ዓመት ንኽናዋሕ ወሲኑ። ፕረዚደንት ሃይቲ ጆቨኔል ሞይሴ ብዕሱባት ካብ ዝቕተል ንድሓር ኣብ ዘሎ ዓመት እታ ሃገር ብመዕገርገርቲ ናዕበኛታት ተሓሚሳ ትርከብ። ኣብ ሕሉፍ ቀረባ ውሑዳት ዓመታት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ጎማታት ብምቅጻልን ጽርግያታት ብምዕጻውን ቀረብ ነዳዲ ናብ ንቡር ንኽምለስ ጠሊቦም። ቀንዲ መሰጋገሪ ነዳዲ ናይታ ሃገር ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ከቢድ ናዕቢ ስርሑ ከወንዝፍ ተገዲዱ’ዩ። እቲ ማዕኸን ነዳዲ ኣብ ከባቢ ሳይት ሶሊል ዝርከብ ኮይኑ ኣብ መንጎ እቶም ተቐናቐንቲ ብዝተፈጠረ ሓዞ ትሰዶ ስለዝተዓጸወ ድማ ሕጽረት ነዳዲ ኣስዒቡ። ኣብታ ሃገር ብዘጓነፈ ዕረፍቲ ኣልቦ ዕግርግርን ድኽነትን ምኽንያት ብዙሓት ሃይታውያን ናብ ዶሞኒካ ሪፐብሊክን ኣመሪካን ይስደዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ዘጻሪ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክጓዓዝ እዩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘጣየሾ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ዝምርምር ዓለም-ለኻዊ ኮምሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ፍቓድ ረኺቡ። ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ከምዝገለጾ፡ እቲ ኮምሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ። ብተወሳኺ መርመርቲ እቲ ኮምሽን ናብ ክልላት ክንቀሳቐሱ፡ መንግስቲ ፍቓድ ክህቦም ከምዝሓተቱ ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት እዩ ነቲ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ገበናትን ጥሕሰት መሰላትን ዘጻሪ ጉጅለ ኣጣይሹ። ኣብቲ እዋን ዓለም-ለኻዊ መርማሪ ጉጅለ ከይጣየሽ ዝተቓወመት ኢትዮጵያ፡ ገሊኦም ንጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ከም መፈጸሚ ፖለቲካዊ ዕላማ ይጥቀሙሉ ኣለዉ ክትብል ከሲሳ ነይራ። ምጥያሽ እቲ ኮምሽን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ኢድ ምእታው እዩ ብምባል እውን ከምዘይትቕበሎን ምትሕብባር ከምዘይትገብርን ገሊጻ ነይራ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዛጊድ ዘካየዶ ምርመራ ዝምልከት ብረቡዕ ነቲ ቤት ምኽሪ ጸብጻብ ከምዘቕረበ ተገሊጹ ኣሎ። ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰፍሐ ኲናት ንዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ዓለም-ለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕግታት ስደተኛታትን ካልኦት ግህሰታትን ንምጽራይ ብዝብል'ዩ ኮምሽን ኣጣይሹ። ኣባል እቲ ኮምሽን ዝኾነ ስቴቨን ራትነር፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክገይሽ መደብ ከምዘለዎ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። ዕላማ እቲ ጉዕዞ ድማ ናብ ካልኦት ክልላት “ዘይተገደበ” ምንቅስቓስ ንምግባር ፍቓድ ክወሃቦም ሕቶ ንምቕራብ ከምዝኾነ ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣባላት እቲ ኮምሽን ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ፍቓድ ክወሃቦም ንሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ሕቶ ከምዘቕረቡ ኣዶ መንበር እቲ ኮምሸን ካሪ ቤሪ ሙሩንጊ ገሊጻ እያ። ብተወሳኺ "ናብ ኣዲስ ኣበባ ክንበጽሕ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረብናዮ ሕቶ ኣወንታዊ መልሲ ረኺቡ" ኢላ። "ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝህልወና ዘተ፡ መርመርቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ናብ ዝተፈጸመሎም ከባቢታት ክኣትዉ፡ ካብ መጥቃዕቲ ዝተረፉ፥ ግዳያትን መሰኻኽር ዓይንን ክረኽቡ ፍቓድ ክወሃበና እዩ ኢልና ተስፋ ንገብር" ኢላ። ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ፡ ዘነበ ከበደ ቆርቾ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ስግኣት ኣብ ግምት እንተኣትዩ "ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምብጻሕ ተግባራዊ መንገዲታት ኣለዉ" ክብል ተዛሪቡ። ብተወሳኺ ኢትዮጵያ "ሓድሽ ምዕራፍ እናጀመረት" ከምኡ ድማ መንግስቲ "እቲ ጎንጺ ብሰላም ዝዛዘመሉ መንገዲ" የናዲ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረግ ጥሕሰታት መሰላት ከምዝፈጸሙ እዩ ዝግለጽ። · ካሪ ቤቲ ሙሩንጊ (ኬንያ) ኣብ ስግግር ከይዲታት ፍትሒ ነዊሕ ተሞክሮ ዘለዋ ካሪ ቤቲ ብተወሳኺ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት፣ ስርዓተ-ጾታ፣ ሕገ መንግስትን ሕጋጋት ምምሕዳርን ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሓ እያ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ጠበቓን ተሟጋቲትን ኮይና እትሰርሕ ዘላ እታ ኮምሽነር፡ ኣብ ዓመጻትን ኣብ እዋን ጎንጺ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ምኽባር ዝተተሓሓዙ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ኣተኲራ ኣላ። ኣብቲ ድህረ ገጽ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ካሪ ቤቲ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2010 ኣኣ ምክትል ሊቀ መንበር ኮምሽን ሓቀኛ ፍትሕን ዕርቅን ኬንያ ኮይና ሰሪሓ። ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ጉድኣት ንዝበጸሖም ናይ ዝወሃብ ትረስት ፈንድ፡ ተወካሊት ቦርድ ዳይረክተራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኮምሽን ሓበራዊ ክትትልን ግምገማን ደቡብ ሱዳን ድማ ላዕለወይቲ ኣማኻሪት ስግግር ፍትሒ ኮይና ሰሪሓ። ከምኡ እውን ኣባል ናይቲ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝተጣየሸ፡ ኣብቲ ብወራር እስራኤል ዝተትሓዘ ግዝኣት ፍልስጤም ዝምርምር ኮምሽን ነይራ። · ስቲቨን ራትነር ስቲቨን ራትነር፡ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋን ፕሮፌሰር እዩ። ትምህርቱን ዘካይዶ ምርምራትን ኣብ ዓለም ለኻዊ ሕግታት፣ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕግታት፣ መንገዲታት ጸረ ግብረ ሽበራ፣ ተሓታትነት ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰልን፣ ተግባራት ትካላትን መንግስትን ኣብ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ዝምልከት እዩ። ኣብ ትሕቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣባል ጉጅለ ሰብሞያ ካምቦድያን ጉጅለ ሰብ ሞያ ተሓታትነት ስሪላንካን ኮይኑ ኣገልጊሉ። ብተወሳኺ ካብ 2008-2009 ኣኣ፡ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ኮሚተ ሕጊ ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሰሪሑ። ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ኮሚተ ኣማኻሪ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለለዩ ዓለም ለኻዊ ናይ ግልግል ዳኝነት በዓልሞያ ዓለምለኻዊ ኢንቨስትመንት ኮይኑ ምሰርሑ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ። ኤርትራ: ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓንዲ ሕቘ ምክልኻል እዩ’ ኤርትራ፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ፡ ንመደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንቃፉ ከም ዘጉሃያ ገሊጻ። ኤርትራ: ኣብ መጋባእያ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምቕራብ መግለጺ ብዝሃበ ወኪላ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣቢላ፡ ኣብ 2012 ዝጸደቐ መዝነት ናይቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ብኣመሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን ንኤርትራ ንምስርጣይ ዝዓለመ’ዩ ክትብል ደጊማ ተቓውሞኣ ገሊጻ። “መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓንዲ ሕቘ ዓቕሚ ሃገራዊ ምክልኻል ኤርትራ” ምዃኑ ዝገለጸ ወኪል ኤርትራ፡ ብዘይስግኣት፡ ብሰላም ንምንባርን ልኡላውነት ሃገር ንምክልኻል ውሕስነት ዝፈጥርን ምዃኑ ኣብሪሁ። እቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝቐጸለ ግዱድን “ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ምንጪ ምግሃስ መሰላት” ምዃኑ ዝገለጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ “እቲ ኵነታት ርኡይ ምንቁልቋል” ከም ዘርኣየ ይሕብር። እቲ ምምሕያሽ ዘይተገብረሉ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት “ንኣሽሓት ኣብቲ መንግስቲ ዘካይዶ ስርዓተ ግዱድ ስራሕ ክጽመዱ” ኣገዲድዎም ከምዘሎ እቲ ብሱዳናዊ ፍሉይ ተኸታታሊ ዶ/ር ዓብዱሰላም ባቢከር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ጸብጻብ ጠቒሱ ነይሩ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብቲ ብዘይደሞዝ ወይ ብኣዝዩ ውሑድ ክፍሊት ዝጸምዶም ኣገልግሎት ንምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ። እቲ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንናጽነታት ፕረስ፡ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ምቛም ማሕበራትን ሰልፍታትን ብምእጋድ፡ ዜጋታት ብዘይሕጊን ብዘይፍርድን ምእሳርን ምስዋርን ይቕጽሎ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ንምኽባር መሰላት ዘውሕስ ትሕተ-ቅርጺ ግዝኣተ-ሕጊ ከምዘየለ’ውን ጠቒሱ። ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ እታ ሃገር ኣብ 1991 ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ካብ እትወጽእ ጀሚሩ፡ ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫን ቅዋምን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ። ሰባዊ መሰላት ኣካል “ህንጸት ሃገር ኤርትራ” ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ወኪል፡ መንግስቲ ንዘለዎ “ብድሆታት ሰባዊ መሰላት” ንምምሕያሽ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ነቲ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ብኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ “ዘይሕጋዊ” እገዳ ዘይምኹናኑ’ውን ቅቡል ኣይኮነን ክትብል ኤርትራ ነቒፋ። ወኪል ኤርትራ፡ ነቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ፈጺሞሞ ዝበሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይኹን፡ ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ “ምሉእ ብምሉእ ትነጽጎ” ክብል’ው ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ መጋባእያ ናይቲ ቤት ምኽሪ ገሊጹ። ኤርትራ ንካልኣይ ግዜ ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ኮይና ተገልግል ምህላዋ ይፍለጥ። ኵለን ኣባል ሃገራት መዝነት ናይቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ክናዋሕ ዝገብር ንድፊ እማመ ክነጽግኦ’ውን ኤርትራ ጸዊዓ’ላ። ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ክልቲኦም ወገናት ምስ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ክተሓባበሩ ጉተረዝ ጸዊዑ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከቦ ተስፋ ምርካቡ ከምዘሐጎሶ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ከምዝተራኸበን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ንሰላም ዕድል ዝህብ ግብራዊ ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ ኢሉ ከምዝገለጸሉ ጠቒሱ። "ድሕሪ'ቲ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተረፈ ክፋል ናይቲ ዞባን ንሚልዮናት ዝጸለወ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ግጭት፡ ሕጂ ሰላም ንምስፋን ክረጋገጽ ዝኽእል ጻዕርታት ምህላዉ የሐጉሰኒ" ክብል ጉተረዝ ተዛሪቡ። ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክገብሩ'ውን ጉተረዝ ጸዊዑ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝኾነ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ናብ ትግራይ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተወሳኺ ዝርርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ንክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ንምትዕራቕ ዝጽዕር ዘሎ ኦባሳንጆ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ'ውን ብውሕዱ ክልተ ግዜ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ትግራይ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላም ክብሉ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝወጹ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር። መንግስቲ ግን ነቶም ቦታታት ብሓይሊ ከምዝሓዞም'ዩ ዝገልጽ። ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ነቶም ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዝነበሩ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ከምዝተኣዘዘ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣፍሊጦም ነይሮም። እንተኾነ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መዋስንቲ ዶባት እተን ክልላት ሓሓሊፉ ግጭት ክረአ ጸኒሑ'ሎ። ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ምዕራብን ሰሜናዊ-ምዕራብን ትግራይ ዝተፈጸመ ተኸታታሊ ደብዳብ ነፈርቲ ልዕሊ 100 ሰባት ምቕታሉን፡ ብሰንኩ ንጥፈታት ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝተቛረጸን ትካላት ረዲኤት ገሊጸን ነይረን። ጉተረዝ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵ ያዝቕጽል ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ነቲ ዝውስድ ዘሎ ናይ ምትእምማን ስጉምቲታት ከየተዓናቕፎ ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ። "ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ንኹሎም ወገናት ዘሳትፍ በታ ሃገር ዝምራሕ ልዝብ፡ ሰላም፡ ጸጥታን ናይ ዕርቂ መስርሕን ክድግፍ ድልዉ ኣሎ" ክብል'ውን ቃል ኣትዩ። በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ከምዝተሻቐለ ብምሕባር ድማ፡ ኩሎም ወገናት ንሃገራዊን ዓለምለኻውን ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ጻዕርታት ክድግፉን ክተሓባበሩን ተማሕጺኑ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃን ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ጽባሕ ሓሙስ ኣብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ትጽቢት ይግበረሎም። ፍሉይ ልኡኽ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድን ኣምባሳደር ሞሊ ፊን ሎሚ ኣብ ርእሰከተማ ካርቱም ኣትዮም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክግበር ዝንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ጭቡጥ ፍረ ኣይተረኽበሉን ዘሎ። እቲ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሲፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ። ንሚያንማር ናብ ኲናት ሓድሕድ ዝሸምም ዘሎ ደማዊ ውግኣት ኣብ መላእ ሚያንማር፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ዕጡቓት ሚሊሻታት ዝበጽሖም ዘሎ መጥቃዕቲ ክምክቱ ላሕ ይብሉ ኣለው። እቲ ኣንጻር ብዕልዋ ስልጣን ዝተቖጻጸረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝገጥም ዘሎ ጉጅለ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝሓቖፈ ኮይኑ ንርእሱ ሓይሊታት ምክልኻል ህዝብታት -'ፒ-ዲ-ኤፍ' ኢሉ ዝጽውዕ እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ንሰራዊት ዝዋግኡ ዘለው መናእሰይ ኮይኖም ዕምቆትን ስፍሓትን እቲ ናዕቢ ከምኡ'ውን እቶም ተቓወምቲ ዝፍጽምዎም ዝነበሩ መጥቃዕታት መልክዕ እቲ ጎንጺ ካብ ተቓውሞ ናብ ሓድሕዳዊ ኲናት ክቕየር ገይሩ'ዩ። ልክዕ ከም ትማሊ፡ ሓደ ለካቲት 2021 [ኣቆጻጽራ ኤውሮፓ] ኣብ ሚያንማር ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተፈጸመ ብሰላማዊ መገዲ ዝጀመሩ ህዝባዊ ተቓውሞታት'ዮም ናብዚ ብደረጃ ሃገር ብረት ዝተሓንገጠ ተቓዋሚ ሓይሊ ዓብዮም ዘለው። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ እታ ሃገር ናዕቢ ተላዒሉ ምህላው 'ኤሲሊድ' [Armed Conflict Location and Event Data Project] ካብ ዝተባህለ ጎንጺ ዝከታተል ጉጅለ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ካብ ባይታ ዝተረኽቡ ሓበሬታታት'ውን ዝተዋደደ ጎንጺ ከም ዝቐጸለን እቲ ናዕቢ ቅድሚ ሕጂ ኣንጻር እቲ ሰራዊት ተቓውሞ ኣርእየን ናብ ዘይፈልጣ ከተማታት ከም ዝተጋፍሐን ይሕብሩ። በዚ ምኽንያት ዝስዕብ ዘሎ ሞት ምፍላጥ'ኳ እንተዘይተኽኣለ፡ ኤሲሊድ ካብ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገርን ካልኦት ጸብጻባትን ብመሰረት ዝኣከቦ ሓበሬታ ግን፡ ሰራዊት ሚያንማር ብሓደ ለካቲት 2021 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንነጀው ኣብ ዘሎ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር። እቲ ኣብ ሚያንማር ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ እናዓበየ መጺኡ። ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ብደረጃ እታ ሃገር ዝካየዱ ዝነበሩ ሰልፍታት ተቓውሞ ንምዕፋን ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም'ዮም። ይኹን'ምበር ሕጂ ሰላማውያን ሰባት'ውን ብረት ስለ ዘልዓሉ ቑጽሪ ዝሞቱ ሰባት ይወስኽ ከም ዘሎ መረዳእታ 'ኤሲሊድ' ይሕብር። ሓላፊት ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚሸል ባቻሌት፡ እቲ ኣብ ሚያንማር [በርማ] ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኲናት ሓድሕድ ክብሃል ከም ዘለዎን፡ እቲ ሰራዊት ዴሞክራሲ ናብ ንቡር ክመልስ ጸቕጢ ንምግባር ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ሓያል ስጉምቲ" ክወስድ ከም ዘለዎን ንቢቢሲ ተዛሪባ። ወሲኹ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ቅልውላው ዝሃቦ ምላሽ "ህጹጽነት ዝጎድሎ" እዩ ብምባል እቲ ኩነታት "ኣዕናዊ" ከም ዝኾነ ብምግላጽ እቲ ጎንጺ ንዞባዊ ርግኣት ስግኣት ምዃኑ ተዛሪባ። እቶም ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለው ጉጅለታት ብሓባር ብምዃን ንርእሶም ምክልኻል ሓይሊ ህዝብታት (PDF) ኢሎም ዝጽውዑ ኮይኖም፡ መብዛሕትኦም መናእሰይ እዮም። ሄራ [ትኽክለኛ ሽማ ኣይኮነን] ጓል 18 ዓመት ኮይና ኣብ ማእከላይ ሚያንማር ኣዛዚት ቦጦሎኒ'ያ። ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝስዓበ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ክትጽንበር እንከላ ናይ መሰናድኦ ትምህርታ ወዲኣ ነይራ። ንሳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢኮኖሚክስ ክተጽንዕ መደብ ነይሩዋ። እንተኾነ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ንጎኒ ኣጽኒሓ ኣባል እቲ ሕጂ ኣንጻር ሰራዊት እታ ሃገር ዝዋጋእ ዘሎ ምክልኻል ሓይሊ ህዝብታት ኮይና፡ ትሕተ ቕርጽን ሰራዊትን እታ ሃገር ተዕኑ ኣላ። "ነቶም ወተሃደራዊ ምልኪ ዝተዓስቡ ወተሃደራት ብምቕታለይ ምንም ኣይስምዓንን። ብሰንኮም ህዝብና ኣብ ከቢድ ጸገም ኣትዩ ኣሎ። ቆልዑ ካብ ወለዶም ይንጸሉ ኣለው፤ ንጹሃን ሰባት ኣብ ማእሰርቲ ይሳቐዩን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ይጠሓስን ኣሎ" ትብል። ንሳ: ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ዝተኻየደ ሰልፍታት ተቓውሞ ፍሉጥቲ ተመሃሪት ማያ ቲዊ ቲዊ ብጥይት ድሕሪ ምቕታላ ኣባል ፒዲኤፍ ከም ዝኾነት ትዛረብ። ሄራ፡ ኣብ ትሕቲ ፒዲኤፍ ወተሃደራዊ ስልጠናታት ክትወስድ ምስ ጀመረት ስድራቤታ ኣዝዮም ሰጊኦም ነይሮም። ድሓር ግን ንሳ ከም ዝቖረጸት ምስ ፈለጡ ልዝብ ኢሎም። " 'እንድሕር ናይ እማንኪ ኾይንኪ ክሳብ መወዳእታ ክኸውን ኣለዎ፤ ኣብ ሞንጎ ተስፋ ከይትቖርጺ' ኢሎምኒ። ድሕሪኡ ነቲ ስልጠና ዝህበኒ ዝነበረ ኣዘራሪበ ንሓሙሽተ መዓልቲ ስልጠና ወሲደ ናብቲ ሰውራ ተጸንቢረ። ናይ እማን ብረት ኮነ ካልእ ኣጽዋር ክስከም ሓሲበዮ ኣይፈልጥን" ትብል። ቅድሚ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ከም ሄራ ዝበሉ ሰባት ጨና ዴሞክራሲ የስተማቕሩ ስለ ዝነበሩ ሰራዊት ስልጣን ምቁጽጻሩ ኣይፈትውዎን። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ሕጂ ካብቶም ኣብ ዶባት እታ ሃገር ብልጭ ህልም እናበሉ ንዓሰርታት ዓመታት ኣንጻር ሰራዊት እታ ሃገር ዝዋግኡ ዝነበሩ ብሁራዊ ሚሊሻታት ስልጠናን ድጋፍን ይረኽቡ ኣለው። ቢቢሲ፡ ካብቲ 'ኤሲሊድ' ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝተኣከቡ መረዳእታት እያ ወሲዱ። እዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየዱ ፖለቲካዊ ጎነጻትን ሰልፍታት ተቓውሞምን ኣመልኪቱ መረዳእታ ዝእክብ ትካል እዩ። ካብ ጸብጻባት ዜና፣ ሲቪክ ማሕበረሰብ ዝሕትሞም ሓበሬታታትን ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ'ውን ዓለምለኻዊ ትካላትን ውሽጢ ዓድን ዝህቡዎም ሓበሬታታት ድሕነት ሓበሬታ ይእክብ። እንተኾነ፡ ክልቲኦም ወገናት ብፕሮፖጋንዳ ኲናት ስለ ዝጽመዱ እቲ ትኽክለኛ ምስሊ ክትሕዝ ዝክኣል ኣይኮነን። ጋዜጠኛታት'ውን ከይጽብጽቡ ይኽልክሉ'ዮም። ቢቢሲ ኣገልግሎት ቡርሚስ'ውን ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ሰነ 2021 ዘሎ ብኽልቲኡ ወገነ ዘጋጠመ ሞት ሓበሬታ ኣኪቡ'ዩ። እዚ ድማ ምስቲ 'ኤሲሊድ' ዝረኸቦ ሓደ ዓይነት ነይሩ። ፒዲኤፍ፡ ዝተፈላለየ ብርኪ መነባብሮ ዝነበሮም ሰባት ዝሓቖፈ'ዩ። ሓረስቶት፣ ዓዲ ውዒል ዝነበራ ኣዴታት፣ ዶኳትርን ኢንጅነራትን ኣብ ጎኒ እዚ ኣንጻር ሰራዊት ኣፈ ሙዝ ዘቕንዐ ሓይሊ ኮይኖም ኣለው። ወተሃደራዊ ምሕደራ ክነውድቕ ኣለና ዝብል ዕላማ ሓደ ገይሩ ኣብ መስመር ኣኽቲቱዎም ኣሎ። ፒዲኤፍ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣወዳድባ ክህልዎ አንከሎ፡ ኣብ ከተማታትን ዝበዝሕ ክፋል እታ ሃገርን ነቲ መሪሕነት ዝወስዱ ዘለው መብዛሕትኦም ካብ ብሄር ባማር ዝኾኑ ምስ መናእሰይ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ተጸንቢሮም ነቲ ቓልሲ ይመርሑዎ ኣለዎ። ኣብ ቀረባ ታሪኽ እታ ሃገር፡ ዕጡቅ ሓይሊ ሚያንማር ካብ መናእሰይ ባማር ተቓውሞ ክገጥሞ ንፈለማ እዋን እዩ ነይሩ። "ብዙሓት ሰባት ናብዚ ሚሊሻ ብምኻድ 'ምክልኻል ሓይሊ' ዝብል መስሪቶም ኣለው። ስለዚ ድማ እየ ንነዊሕ ግዜ ብዛዕባ እዚ ሓያል ነገር ክንገብር አንተዘይክኢልና ናይ ሶርያ ኩነታት ክድገም'ዩ ይብል ነይረ" ትብል ባቻሌት። ናጋር፡ ቅድሚ እዚ ቅልውላው በዓል ሃብቲ'ዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ዞባ ሳጊንግ ብዙሓት ዋህዮታት ፒዲኤፍ ይቆጻጸር። እቲ ኣንጻር ሰራዊት ዘካይዱዎ ዘለው ውግእ ግን ዝመጣጠን ከም ዘይኾነ ይዛረብ። ኣብ መጀመርታ ብረት ከም ዘይነበሮምን እቲ ኲናት ብመንቲግ ጀሚሮም ድሕሪኡ ሓጺነ መጺን ተጠቒሞም በዓል ሓንቲ ጥይት ጠበንጃ ምስርሖምን ቦንባታት ከም ዘፍረዩን ገሊጹ። ሰራዊት ሚያንማር ግን ካብ ሩሲያን ቻይናን ዝገብራሉ ሓገዝ ሓዊሱ ብዙሓት ከበድቲ ኣጽዋር ዝተዓጠቐ እዩ። ብኣንጻሩ፡ ፒዲኤፍ ድማ ካብቲ ሕብረተሰብ ድጋፍ ኣለዎ። እቲ ኣብ ባይታ ዝጀመረ ተቓውሞ ድማ ሕጂ ናብ ዝተወደበ ጉጅለ ዓብዩ ከቢድ ተቓውሞ የካይድ ኣሎ። መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ስደት [NUG] ድማ ገለ ዋህዮታት ፒዲኤፍ ክውደብ ሓገዝ ዝገበረ ኮይኑ ምስ ካልኦት'ውን ቀጥታዊ ዘይኮነ ርክባት ኣለዎ። ፒዲኤፍ ኣብ ልዕሊ ከም መደብር ፖሊስ ዝበሉ ትካላት መንግስቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽም ኮይኑ፡ ካብ ሰራዊት ብረት ማሪኾም፡ ከም ባንክን ዓንዲ ቴሌኮምን ድማ ኣዕኒዮም እዮም። ናጋር፡ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም ኣብ መጻኢ ዕጫ ሃገሮም ክውስኑ ከም ዝተገደዱ ይዛረብ። "ኣብዚ ሕጂ እዋን ጸገማት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ምፍታሕ ውጽኢታዊ ኣይኮነን። ዓለም ንሃገርና ዕሽሽ ኢላታ'ያ፤ ስለዚ ንባዕለይ ባዕለይ ከዕጥቖ'የ" ኢሉ። ሄራ፡ ምስ ዓበይቲ ኣሕዋታ ናብቲ ዕጡቕ ጉጅለ ክትጽምበር እንከላ፡ ቀንዲ ዕላምአን "ወተሃደራዊ ምልኪ ካብ ስሩ ምምሓው" ከም ዝኾነ ትዛረብ። "እቲ ሰራዊት ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ቐቲሉ'ዩ። መነባብሮ ሰባት፣ ንብረትን ሃብትን ኣዕኒዩ'ዩ። ብተወሳኺ ነቲ ህእቢ ኣሳቕዩዎ። እዚ ብዝኾነ መልክዑ ክቕበሎ ኣይኽእልን" ኢላ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ሞት ኣስታት 40 ደቂ ተባዕትዮ ሓዊሱ ብዙሓት ጃምላዊ ቕትለታት ሰላማውያን ሰባት ነይሮም። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ድማ ልዕሊ 35 ደቂ ተባዕትዮ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ተቐቲሎም። ቢቢሲ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተፈጸመ ቕትለት ብህይወት ንዝተረፈ ሰብ ረኺቡ ኣዘራሪቡ'ዩ። ብሸውዓተ ታሕሳስ 2021 ወተሃደራት ኣብ ማእኸላይ ሚያንማር ንእትርከብ ናጋትዊን ዝተባህለት ዓዲ ወሪሮም። መብዛሕትኦም ነበርቲ ክሃድሙ እንከለው ኣብኡ ዝጸንሑ ደቂ ተባዕትዮ ብግፋ ተኣሲሮም። እቶም ነበርቲ ክምለሱ እንከለው ኣስክሬን ሽዱሽተ ኣእዳዎም ዝተኣሰረን ኣብ ክሳዶም ገመድ ዝኣተዎምን ሰባት ረኺቦም። እቶም ክልተ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዝነበሮም ኮይኖም ሰለስተ ሰባት ድማ ኣረጋውያን እዮም ነይሮም። እዚ ብህይወት ክተርፍ ዝኽኣለ ውልቀሰብ ንተቓወምቲ ይእልሹ ከም ዝነበሩ ይዛረብ። ንሱ ኣብ ሞንጎ እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ዝሞተ መሲሉ'ዩ ብህይወት ክተርፍ ክኢሉ። "ስማትናን ቴለፎናትናን ይደልዩ ነይሮም። 'ፒዲኤፍ ዲኻ? ኢሎም ይሓቱ ነይሮም። ኩሉ ሰብ ኣይኮንኩን ኢልዎም። ጽንሕ ኢሉ ሓደ ሕጽር ዝበለ ሰብኣይ መጺኡ 'ንስኻትኩም ናይ ፒዲኤፍ ተቓለስቲ ኢኹም ብምባል ሰባት ክቐትል ጀሚሩ" ይብል። በዓልቲ ቤት ሓደ ካብቶም ግዳያት ዝኾነት መበለት ድማ ኣካላት በዓል ቤታ ምልክታት ምስርጣይ ከም ዝተርኣዮ ተዛሪባ። "ሓሳቡ ብዝግባእ ክገልጽ ዘይኽእል ዓብዪ ሰብኣይ ከይተረፈ'ዮም ቀቲሎም። እዚ ፈጺመ ኣይርስዖን። ብዛዕብኡ ክሓስብ ከለኹ ወትሩ'የ ዝነብዕ" ኢላ። ሰራዊት ሚያንማር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንገለ ክፋል እታ ሃገር ክቆጻጸሮ ከም ዘይክኣለ ተኣሚኑ። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ዛው ሚን ቱን ነቶም ተቓወምቲ ኣሸበርቲ እዩ ዝብሎም። "ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ እንተፈጺሞም፡ ወተሃደራትና ስጉምቲ ክወስዱሎም ኣዚዝና ኣሎና። ጸጥታ እዛ ሃገርን እቲ ዞባታትን ንምውሓስ ኣድላዪ ሓይሊ ብምጥቃም ንፍትን ኣሎና" ይብል። ብወግዒ ዝፍለጥ ቑጽሪ ሰራዊት ሚያንማር ኣስታት 370 ሽሕ ወተሃዳራት እዩ። ብተግባር ግን ካብኡ ዝተሓተ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ድማ ትሑት ምልመላ ወተሃደራት እዩ ነይሩዋ። እቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፍጸም ንድሓር ድማ ብዙሓት ኣባላት እቲ ሰላዊት ሰሊሞም'ዮም። ብተመሳሳሊ ቑጽሪ በቲ ኻልእ ሸነኽ ዘለው ተዋጋእቲ [ኣባላት ፒዲኤፍ] ምግማት ኣይክኣልን። ብተወሳኺ እቶም ብመንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ስደት ዝተጣየሹ ኣባላት ፒዲኤፍ በቶም ኣብ ከባቢ ዶባት እታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ብሄራዊ ዕጡቓት ሰልጢኖም፣ መዕቖቢ ተዋሂቡዎምን ተዓጢቖምን እዮም። ቅድም ኢሉ፡ ገሊኦም ዕጡቓት እተን ዝተፈላለያ ብሄራት ምስቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ገይሮም'ኳ እንተነበሩ ሕጂ እቶም ስምምዓት ምቁራጽ ተጻብኦ ፈሪሶም'ዮም። ካብዚ ብዝብገስ ፒዲኤፍ፡ ነቶም ሰራዊት እታ ሃገር 'እቶም ዕጡቓት ሃገር ከፍርሱ ዝንቀሳቐሱ'ዮም እናበለ ዘቕርቦም ዝነበረ ፕሮፖጋንዳታት ኣሚንና ንቕበል ብምንባርና ይቕሬታ ንሓትት' ክብል ነቶም ብሄራውያን ሚሊሻታት ይቕሬታ ሓቲቶም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኩሉ ማዕረ መሰላት ዝረኽበላ ፌደራላዊት ሃገር ንምምስራት ወግዓዊ ብዘይኾነ መገዲ ጻውዒት የቕርብ ኣሎ። ኲናት ዩክረይን: ኤርትራ ንሩስያ ዝኹንን ውሳነ ሕቡራት ሃገራት ተቓዊማ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ንወራር ሩስያ ብምኹናን ሓይልታታ ብህጹጽ ካብ ዩክረይን ከተውጽእ ጸዊዑ'ሎ። እቲ ኣብ ህጹጽ ኣኼባ ናይቲ ባይቶ ዝሓለፈ ውሳነ፡ ካብ 194 ኣባል ሃገራት እተን 141 ብዝሃበኦ ደገፍ'ዩ ክጸድቕ ኪኢሉ። ሓሙሽተ ሃገራት ግን ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ድምጸን ሂበን። ካብተን ነቲ ውሳነ ዝተቓወማ ሩስያ ባዕላ ኣብ ቅድሚ ትስራዕ። መሓዝኣ ዝኾነት ቤላሩስ'ውን ኣንጻር እቲ ውሳነ'ያ ኣድሚጻ። ገለ ክፋል ናይቲ ናብ ዩክረይን ዝኣተወ ወራሪ ሓይሊ ሩስያ ካብ ቤላሩስ ከምዝተበገሰ ይፍለጥ። ብወተሃደራዊ ሓገዝ ሩስያ ዝዓኾኸት ብባሻር ኣልኣሳድ ትምራሕ ሃገረ ሶርያ'ውን ምስ ሩስያ ዘለዋ ምሕዝነት ንምግላጽ ኣንጻር እቲ ውሳነ መርገጺ ወሲዳ'ላ። እተን ዝተረፋ ክልተ ነቲ ውሳነ ዝነጸጋ ሃገራት ድማ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን እየን። እታ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ ከጋጥማ ዝጸንሐት ኤርትራ ምስ ሩስያ ዘለዋ ዝምድና ዝሓሸ ምዃኑ ይግለጽ። ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ክፍለ ግዜ ብዘይምርካብ፡ ከየድመጸት ከምዝተረፈት ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብቲ ብቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝተጸውዐ ኣኼባ፡ ኣምባሳደር ዩክሬን ኣብቲ ውድብ ሰርጊ ኪስሊስያ፡ ሩስያ "ዩክሬን ክትህሉ ዘለዋ መሰል ክትነፍግ መጺኣትና" ክብል ከሲሱ። ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ ነበንዚያ ብወገኑ፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን ዘሎ ናይ ተገንጸልቲ ግጭት ደው ንምባል ከምዝኣተወት ብምምጓት፡ ሃገራት ምዕራብ፡ እቲ ውሳነ ንክሓልፍ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ቅሉዕ ጸቕጢ ገይረን ክብል ነቒፉ። ሓፈሻዊ ባይቶ ናይቲ ውድብ ድሕሪ 1997 ንፈለማ እዋን'ዩ ህጹጽ ኣኼባ ዘካይድ ዘሎ። ኮሮናቫይረስ: ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቁጽሪ መጠን መልከፍቲ ካብ ሰኑይ ብዕጽፊ ወሲኹ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሰኑይ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ መዓልታት መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብምንሃሩ ብዕጽፊ ወሰኽ ኣርእዩ። ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ጠንቂ እቲ መጥን ወሰኽ መልከፍቲ እቲ ኦሚክሮን ዝተሰመየ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ክኸውን ከምዝኽእል'ኳ እንተገለጹ፡ ካብቶም ሓደሽቲ ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ክንደይ በዚ ሓዲሽ ዓይንት ኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተገበረ ላባራታራዊ መርመራን ዝተውሃበ ጸብጻብ የለን። ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣስታት 8500 ሓዲሽ መለክፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ ኣሎ። ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ከምዝረኸበት ንውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘፍለጠት ዝዝከር እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት እዮም ዘለዉ። እቲ ቫይረስ ብርቱዕ ናይ ምልባዕ ባህሪ ከምዘለዎ ኣፈናዊ መደምደምታ'ኳ እንተተወሃበ፡ እቲ ኣቐዲሙ ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ንሰብ ክውሃብ ዝጸንሐ ክታበታት ክከላኸሎ ይኽእል ድዩ ዝብል ግን ብሕጂ መጽናዕቲ ዘድልዮ ከምዝኾነ'ዮም ሰብ መዚ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሕብሩ። እቲ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ተራኣየ፡ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ዝርከብአን ሃገራት ናብ ሃገራት ዞባ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝገብርኦ በረራታት ደው ከምዘበለኦ ዝዝከር እዩ። ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ብሓባር ነቲ ብገለ ሃገራት ዝግበር ዘሎ ናይ በረራ እግዳታት ብምቅዋም ነቲ ስጉምቲ ዝነቅፍ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ። ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ እቲ ዝተወሰነ ናይ በረራ እገዳ 'ናይ በረራ ኣፓርታይድ'ዩ' ብምባል ነቂፍዎ። ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣፍሪቃውያን ብዝረኸብዎን ንዓለም ብዝሃብዎ ሓበሬታን ክቅጽዑ የብሎምን ኢሉ። ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ማሃማት ፋኪ ብወገኑ ሃብታማት ሃገራት ነታ ትሕቲ 6 ሚኢታዊት ካብ ህዝባ ጥራይ ከቲባ ዘላ ኣፍሪቃ ብኽታባት ክሕግዝኣ ብምምሕጻን እቲ ናይ በረራ እግዳ ክልዓል ጸዊዑ። ውደብ ጥዕና ዓለም፡ እዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ 23 ሃገራት ተራእዩ ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ። ስነ ጥበብ፡ ሩምባ ዝተብሃለ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ኮንጎ ኣብ ዩኔስኮ ቀዋሚ ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ ኣብ ሙዚቃ ኣፍሪቃ ዓቢ ተራ ዘለዎ ሩምባ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ሳዕሰዕዒት ኮንጎ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ቀዋሚ ሓድጊ ኾይኑ ተመዝጊቡ። እዚ ሙዚቃን ሳዕስዒትን ኣጣሚሩ ዝሓዘ ሩምባ፡ ኣብ መዝገብ ዩኔስኮ ንክሰፍር ክልቲኦም ኮንጎታት እዮም ዝጉስጉሱ ነይሮም ተባሂሉ- ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኮንጎ ብራዛቪልን። ክልቲኦም ኮንጎታት ኣብ ሓደ እዋን ንጥንታዊት ኮንጎ እዮም ዝውክሉ። ክልቲኦም ሃገራት ብዘቅረብዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ሩምባ ምንጩን መበገሲኡን ካብዛ ጥንታዊት ኮንጎ እዩ። "ሩምባ" ዝብል ስርወ ቃሉ ድማ ናይ ቋንቋ ኪኪኮንጎ ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ሕምብርቲ ማለት እዩ። ናይ ኮንጐ ሩምባ እውን ልክዕ ከም ናይ ጃማይካ ሬጌ ሙዚቃን ሃውከር ዝተብሃለ ምግቢ ሲንጋፖርን ኣብ ዩኔስኮ "ቀዋሚ ዘይድህሰስ ባህላዊ ሓድጊ ወዲሰብ" ኾይኑ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ኣሎ። ባህላውን ሳይንስን ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዩኔስኮ እዚ ናይ ባህሊ ደረጃታት ምውሃብ " ኣብ ውሽጢ'ቲ ኣብ ምስፍፋፋሕ ዝርከብ ሉኤላዊነት (ግሎባላይዜሽን) ብዙሕነት ባህሊ ንክሕሎ ክሕግዝ እዩ" ኢሉ። ዋና ዳይሬክተር ዩኔስኮ ኦድሪ ኣዙላይ፡ እቲ ሙዚቃ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘበን ኣንጻር ባዕዳውያን ወረርቲ ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ተምሳል ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ'ውን ኢሉ። ኣብዚ እዋን ድማ እቲ ሙዚቃ ኣብ ዓለም ንዘለዉ ስነጥበባውያን ሞራል ዘለዓዕል ምዃኑ ገሊጹ። ሩምባ አፍሪቃዊ መበገሲ'ኳ እንተለዎ፤ ካብ ኣህጉር ወጻኢ ምስ ሳዕስዒት ላቲን 'ሩምባ' ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ'ውን ይዝረብ። ርግጽ፡ ሩምባ ኩባ ኣብ 2016 ኣብ ኡኔስኮ ዘይድህሰስ ሓድጊ ተባሂሉ ተመዝጊቡ ጸኒሑ እዩ። ሚኒስተር ባህሊ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ካትሪን ካትሁንጉ ፉራሃ፡ "ሩምባ ኣካል መንነትና እዩ፣ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ዓለም ዝርከቡ ኣፍሪቃዊ ዘርኢ ንዘለዎም ወለዶታት ዝምልከት እዩ" ኢላ። ወሲኻ ድማ ፡ "ሩምባ ናትና እዩ ተባሂሉ ክፍለጥ ኢና ነደሊ፤ መንነትና እዩ" ኢላ። "ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ወጻኢ ብባርነት ዝተወስዱ ኣባሓጎታትና ኣመጻጸአኦምን ዊንተኦምን ንምዝካር እንትደልዩ ናይ ሕምብርቲ ሳዕስዒት እዮም ዝለሃዩ ነይሮም። ንሱ ድማ ሩምባ እዩ"። ቅልውላው ዩክረይን፡ ስለምንታይ'ያ ኤርትራ ጸግዒ ሩስያ ወሲዳ? ቅልውላው ዩክረይን፡ ስለምንታይ'ያ ኤርትራ ጸግዒ ሩስያ ወሲዳ? ወከልቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ብረቡዕ ዝነበረ ብዛዕባ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝዘተየ ህጹጽ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝተፈላለየ መርገጺ ክወስዱ ተገዲዶም እዮም። እቲ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ መጋባእያ፡ ሩስያ ንዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ሓይልታታ ብህጹጽ ካብ ዩክሬን ከተወጽእ ዝጽውዕ'ዩ። ነቲ ውሳነ ደጊፈን ዘድመጻ 141 ሃገራት ዓለም ክኾና እንከለዋ፡ 5 ተቓዊመን፡ ገለ ድምጸ-ተዓቅቦ ገይረን፡ ከሊአን ድማ መርገጺአን ኣየነጸራን። ካብ ሃገራት ኣህጉር ኣፍሪቃ ኤርትራ ንበይና'ያ ጸግዒ ሩስያ ብምውሳድ፡ ኣንጻር እቲ ውሳነ ኣድሚጻ። ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ 28 ነቲ ውሳነ ክድግፋ እንከለዋ፡ 17 ድምጺ ካብ ምሃብ ተዓቂበን። መርገጺ ኤርትራ ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዋላ'ኳ ኤርትራ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ሃገራት ክኽበር ትደሊ እንተኾነት ዲፕሎማስያዊ ዕድል ክዕጾ የብሉን ዝብል መርገጺ ከም ዘለዋ የነጽር። "ኤርትራ ዝሃበቶ ድምጺ መርኣያ ናይቲ ንሰላም ዘለዋ ነቕ ዘይብል መርገጺ እዩ። ዝወሰደቶ መርገጺ ኣንጻር [ነቲ ጉዳይ] ዓለምለኻዊ መልክዕ ክህልዎ ምግባር ምርስሳን በይናዊ እገዳታት ምንባርን'ዩ" ክብል ወኪል ኤርትራ ነቲ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መደረ ተዛሪቡ። "ኤርትራ ንልኡላውነት፣ መሬታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ናጽነትን [ሃገራት] ከምቲ ኣብ ቻርተር ሕቡራት ዝተደንገጉ ዘይቅየሩ መትከላት ምዃኖም ኣርጊጻ ትኣምን። ዘላቒ ሰላም ዓለም ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ኩሉ ከኽብሮ ዘለዎ'ዩ" ክብል ምክትል ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣማኑኤል ጆርጆ ገሊጹ። ኣብ መንጎ ዩክሬንን ሩስያን ዝቕጽል ዘሎ ዝርርብ ነቲ ጉዳይ ዲፕሎማስያዊ መፍትሒ ክረኽበሉ ዘለዎ ተስፋ ብምግላጽ ድማ ሃገሩ "ንኹሉ ዓይነት ዘይሕጋውን ዘይሃናጽን በይናዊ እገዳታት ትቃዎሞ እያ" ኢሉ። ክልቲኦም ወገናት "ንዘለዎም ፍልልያት ብምፍታሕ ንረብሓታቶምን ስክፍታታቶምን ዘውሕስ ውጽኢት" ዘለዎ ፍታሕ ክረኽቡ ኤርትራ ተስፋ ከም ዘለዋ ጠቒሱ። ዝተፈላለያ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ማእለያ ዘይብሉ ቁጠባዊ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣንቢረን ኣለዋ። ንቁጠባ ሩስያ ባይታ ክዘብጥ ንምግባር ድማ ተወሳኺ ማዕቀባት ንምግባር ይሰርሓ ከም ዘለዋ ኣጠንቂቐን። ወኪል ኤርትራ፡ ብዛዕባ ኩነታት ኣፍሪቃውያን ኣብ ዩክረይን ከም ዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ስደተኛታት ውሑስ መውጽኢ ክረኽቡ'ውን ተማሕጺኑ። ካብተን ድምጸ-ተዓቅቦ ዝገበራ ሃገራት፡ ብዕሱባትን ወተሃደራትን ሩስያ ዝድገፋ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ማሊን ይጥቀሳ። ዩጋንዳ፡ ኣደመንበር ማሕበር ጸግዒ ዘይብለን ሃገራት (Non-Aligned Movement) ክትከውን ትዳሎ ስለ ዘላ "ዘይወገናውነት" ዝብል መርገጺ ተኸቲላ'ላ። እቲ 120 ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝሓቖፈ ማሕበር፡ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ናይቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ሶቬትን ዝነበረ ደምበታት ጸግዒ ንዘይምውሳድ ዝቖመ'ዩ። ወዱ ንፕረዚደንት ዩጋንዳ ዝኾነ ኣዛዚ ሓይልታት ምድሪ ዩጋንዳ ሌ/ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፡ ብሰሉስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካብ ጸዓዱ ወጻኢ ዘሎ ዝበዝሐ ሰብ ንሩስያ ይድግፍ'ዩ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። "ፑቲን ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ'ዩ ዘሎ" ድማ ኢሉ ነይሩ። ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ መግለጺ ናይቲ ጀነራል "ዘይቅቡል'ዩ" ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ ነይሩ። ካልእ ድምጸ-ተዓቅቦ ዝገበረት ኣገዳሲት ኣፍሪቃዊት ሃገር ድማ ደቡብ ኣፍሪቃ እያ። ኣምባሳደር ሕረብት ኣውሮጳ ኣብታ ሃገር ስለ ምንታይ ነቲ መርገጺ ከም ዝወሰደት ኣብ ትዊተር ንዘቕረቦ ሕቶ፡ ሓላፊ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ እታ ሃገር ክላይሰን ሞንየላ እቲ ሕብረት ድርብ መዐየሪ ይጥቀም ኣሎ ክብል መልሲ ሂብሉ። ንኹነታት ፍልስጤም፣ የመን፣ ሶርያ፣ ሊብያን ሶማልያን ብምጥቃስ ድማ እቲ ሕብረት ንኻልኦት ወረርቲ'ውን ክኹንን ኣለዎ ኢሉ። መርገጺአን ዘየነጸራ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍረቃ ምሉእ ብምሉእ ዝኾነ ድምጺ ካብ ምሃብ ተሓዪበን ኣለዋ። ክልተ ካብአን፡ ቡርኪና-ፋሶን ጒኒን ኣብዚ ቀረባ እዋን ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኸስተለን እየን። እታ ብኲናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ'ውን ድምጻ ክትህብ ኣይደለየትን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኩሎም ወገናት ቅልውላዉ ዩክረይን ክሃድኡ ንጽውዕ" ኢሉ። "ከም ማሕበረሰብ ዓለም ዝሓለፍናዮ ዘሕዝን ታሪኽ፡ ምስቲ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ዘርኣናዮ ዝላን ምዕባለን ንዓለምለኻዊ ዝምድናታትናን ዲፕሎማስን ዝመርሕ ኣገባብ ዝሕብር'ዩ። "ዓለምለኻዊ ስኒት ክንፈጥር እናኸኣልና፡ ዲፕሎማሲ ምፍሻሉ ጠንቂ ምፍንቓል ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባትን ምንዋጽ ዓለምን ክኸውን የብሉን" ክብል ገሊጹ። ነቲ ውሳነ ዝደገፋ ካብተን 54 ሃገራት ኣፍሪቃ 28 ነቲ ውሳነ ብምድጋፍ ንወተሃደራዊ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኮኒነን ኣለዋ። ካብአን፡ ዓበይቲ ሃገራት ናይጀርያን ግብጽን፡ ከምኡ'ውን ኬንያ፣ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ጂቡቲን ሶማልያን ይጥቀሳ። መብዛሕትአን ምስ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ጽቡቕ ርክብ ዘለውን'የን። ኩናት ኢትዮጵያ ኣብ ዓመቱ፡ እቲ መከራ ብኸመይ ደው ክብል ይኽእል? ኣብዚ እዋን'ዚ ሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ [ትግራይ] ኣብ ዝተወለዐ ኲናት ላዕለዋይ ኢድ ሒዞም ኣለው። ስልጣን ተረኪቡ ፖለቲካዊ ዕረያ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ምስ ኣመሓደርቲ ፓርቲ ትግራይ ኣብ ግጭት ዝኣተወ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብደረጃ ሃገር ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ - ፍርሕን ሻቕሎትን ሰፊኑ ኣሎ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግሱሉ ዘለው እዋን መንግስቲ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ነብሶምን ኣከባቢኦም ንክሕልው ክውደቡ ሓቲቱ ኣሎ። ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝርከባ ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 400 ኪ.ሜ. ርሒቐን ዝርከባ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ተቖጻጺሮም ኣለው። ከተማ ደሴ ብደቡብ ናብ ኣዲስ ኣበባን ብምብራቕ ከኣ ናብ ጅቡቱ እተእቱ ኣገዳሲት ኣፍደገ ብምዃና ኣብቲ ከባቢ ኣዝዩ ብርቱዕ ውግእ ከም ዝነበረ ይእመን። ከተማ ደሴ ኣብ ኢድ ሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ምውዳቓ ኣብ ቀንዲ ሆስፒታል ደሴ ዝዓዪ ዝነበረ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኣብቲ ዞባ ውግእ ስለ እተባለዐ እታ ከተማ፡ ብዘደንቕ መገዲ ከም እተቐየረት ሓቢሩ ። ስሙ ዓቂቡ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ደሴ ብዙሕ ዓሌታትን ማሕበረሰብን ዝነብሩላ፡ ዝተፈላለየ ባህላዊ ብዙሕነት ዘለዋ "ናይ ፍቕሪ ርእሲ ከተማ" ብምዃና ማእከል ቊጠባዊ ሕምብርታ እያ ክብል ይገልጻ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ግን፡ ምስ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ሃዲሞም ናብታ ከተማ ዝኣተው ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት አዕቍባ ጸኒሓ ኣላ። "ናብ ስራሕ ክኸይድን ንገዛይ ክምለስን፡ ንኣሽቱ ቘልዑ ብስረይ ሖዞም ኣብ እግረይ ወዲቖም እንጌራ ንኽዕድጉ ገንዘብ ይልምኑኒ ነይሮም" ይብል። እዚ ወሃቢ ርኢይቶ፡ ንሱን ልዕሊ 10 መሳርሕቱን፡ ወተሃደራት መንግስቲ ከንሳሕቡ ምስ ረኣዩ፡ ካብቲ ሆስፒታልን ከተማን ሃዲሞም ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከቡ። ላዕለዋይ ኣባል ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ (ኣብን) ቴዎድሮሰ ሃይለማርያም፡ ነቲ ሕብረተሰብ ብውዳብ ንገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ደው ዘብሉ ተዋጋእትን ነቶም ካብ መንበሪ ገዝኦም እተመዛበሉ ረድኤት ንምዕዳልን ሰባት ንምውዳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከብ። ሰልፊ [ኣብን] ናይ ህወሓት ዕላማ ዳግም ናብ ስልጣን ምምላስ ከም ዝኾነ ይኣምን። ውድብ ህወሓት ብ2018 ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝእለ ንኢትዮጵያ ን27 ዓመታት መሪሑዋ እዩ። - " [ሕጂ] ክልተ ኣማራጺታት'ዩ ዘሎ - ወይ ወያነ ተሳዒሩ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክድሕን እዩ፤ ወይ ከኣ ወያነ ንኣዲስ ኣበባ ተቐጻጺሩ ንኢትዮጵያ ምግዛእ እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ መላእ እታ ሃገርን ህዝብን ውግእ ሓድሕድ ክውላዕ'ዩ "ይብል። ድሕሪ ምትሓዝ ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ ዓሌታዊ ውጥረት ፈጢሩ ይርከብ። ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት ትግራወይቲ በዓልቲ ሞያ ሕጊ "ተወሊደ ዝዓበኹላ ከተማ ከም ቀደማ የላን" ድሕሪ ምባል፡ ፖሊስ ንተወለድቲ ትግራይ ካብ ኣባይቶም፣ ኣብያተ ሻህን ባራትን ከምኡ'ውን ኣብ ታክሲታትን ኣውቶቡሳትን ወረቐት መንነት እናሓተተ ገፊፎም ይወስዱዎም ከም ዘለው ሓቢራ። ካልእ ሽሙ ክዕቀብ ዝደለየ ነባሪ'ውን ኣብዚ ሰሙን እዚ ቢቢሲ፡ ሓው ካብ ሓደ ድራር ይበልዐሉ ዝነበረ ቤት መግቢ ምስ ኣዕርኽቱ ከም ዝተገፉ ሓቢሩ። "ትግራዋይ እንተዄንካ ብዓሌትካ ጥራሕ ብዘይ ሕቶ ትእሰር። እቲ ማእሰርቲ ብስም ብሄር እዩ ዝካየድ ዘሎ" ኢሉ። ኣፈኛ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግን፡ መብዛሕቶም እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ዜጋታት ተጋሩ ምዃኖም እኳ እንተረጋገጸ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከም ዝተፈጸመ ዘርኢ ጭብጢ ምስተረኽበ ከምዝተታሕዙን፡ ኣባላት ካልኦት ብሄራት እውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ገሊጹ ። ሓይልታት ትግራይ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ከበባን ዕጽዋን ክሳብ ዝለዓልን፡ ረድኤት ክሳብ ዝኣቱን ኣገልግሎት ባንክን ጸዓትን ክሳብ ናብ ንቡር ዝምለስ ገስጋሶም ከምዘየቋርጹ ይገልጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ግንቦት ጀሚሩ ኣስታት 400,000 ሰባት ኣብ ትግራይ ጥሜት የንጸላልዎም ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ሓይልታት ትግራይ ንሰራዊት መንግስቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ መቐለ ምስ ደፍኡዎ፡ ትካላት ረዲኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ናብ ግዳያት ረድኤት ነዳድን ገንዘብን ኸየብጽሑ ዝተፈለላየ ቀይድታት ከምዘጋጠሞምን፡ እቲ ዕንቅፋትን ንልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ረድኤት ከብጽሕ ከምዘይከኣላ ይገልጽ። ኣብ ፈለማ ምስ ዶክተር ኣቢዪ ክዛተዩ ዝጽውዑ ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝረኸቡዎ ወተሃደራዊ ዓብላልነት ስዒቡ ምስ ኣቢዪ ኣይንዘራረብን ኢና ይብሉ ኣለው። ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን ዝነበረ ሕዚ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ፡ ጄነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ "እቲ ውግእ ዳርጋ ተወዲኡ እዩ። እቲ ዝቕጽል ስጉምቲ ድማ ድሕሪ ምእላይ ኣብዪ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ እዩ ክኸውን" ኢሉ። "ንፖለቲካዊ ሕልኽላኻት [ኢትዮጵያ] ብናትና ድሌት ክንፈትሖ ሓሊንና ኣይንፈልጥን ኢና። ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘሰጉሙ ዅሎም ፖለቲካዊ ውድባት ኣኪብና ብዛዕባ መጻኢ ሃገር እንመያየጠሉ መድረኽ ክንፈጥር ኢና " ክብል ንተለቪዥን ንትግራይ ተዛሪቡ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከቢድ እዩ። ኣብ መቐለ ኣብ ማእከል መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዝተቐርጸ ምስ ናይ መግቢ ቱቦ ዝተተሓሓዘ፡ ብኽያት ጓል ዓመት ኤደን ገብረጻድቕ ኣብ ቪድዮታት ብግልጺ'ዩ ዝረአ። "ኣብ ፈለማ፡ ብሕጽረት ምግቢ ከምዝሓመመት ኣይፈለጥኩን ነይረ። ሕዚ ግን ጉድለት ዝተመጣጠነ ምግቢ ከም ዘለዋ ሓካይም ነጊሮምኒ" ትብል ወላዲታ ህይወት በርሀ ። "በዓል ቤተር ሰሪሑ ይኣቱ፡ ኣነ ከኣ ንደቅና እኣልዮም ነይረ። ንደቅና ጽቡቕ ጌርና ኢና ነዕብዮም ኔርና። ብሉጽ ምግቢ ይረኽቡን ወትሩ ጽቡቕ ክዳን ይኽደኑን ነይሮም" ትብል። ኣብ ካልእ ዓራት መዋ ዝደኸመ መብሪሂት ግደይ ደቂሳ ትርአ። ወላዲኣ ግደይ መረሳ ባናና ንከብልዓ ቀስ ኢሉ ኮፍ ከብላ ይፍትን። ንሱ ካብ ገጠር ቆላ ተምቤን ልዕሊ 100 ኪ.ሜ ተጓዒዞም ናብ ሆስፒታል ከምዝመጽኡ ይገልጽ። ወተሃደራት መንግስቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እቲ ዝኸበደ ኲናት ከም ዝረኣየ ከኣ ይዛረብ። ብዙሓት ነበርቲ ናብ ኣኽራናት ክሃድሙ ተገዲዶም። ሰራዊት ኣቢዪን ደገፍቱን ምስ ከዱ ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ኣባይቶም ሓሪሩ፡ ኣብዑሮምን ኣእዱጎምን ተዘሪፎም ጸኒሖሞም። "እዚ ኵሉ ኣጋጢሙና፡ ተቐቢልናዮ ነይርና። ሕጂ ግን ጓለይ ከቢድ ሕማም ሓሚማ: ቅድሚኡ ጥዕይቲ እያ ነይራ"ይብል ። ሓካይም ነታ ጓል 11 ዓመት ቖልዓ ብዋሕዲ መኣዛታት ዝሰዓበ ናይ ልቢ ሽግር ከምዘጋጠማ ነጊሮምዎ። እዚ ድምጺ ብሞያውያን ሓካይም ብምስጢር ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ ድምጺ እዩ። ኣገልግሎታት ቴለኮሚኒኬሽንን ኢንተርነትን ስለእተዓጽወ እቲ ዝርካቡ መርበብ ሓበሬታ እውን ስለዝጥለፍ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰባት ምዝራብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ቢቢሲ እውን ከም ካልኦት ማዕከናት ዜናታት ናብቲ ዞባ ንኸይኣቱ ብመንግስቲ ፈደራል ተኸልኪሉ እዩ። ዘይዕዉት ምፍርራሕ ኣህጉራዊ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ፕረዚደንት ፒተር ማውሬር ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ ናብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታታት ክኸይድ ኣይከኣለን ። "ኣብዚ እዋን እዚ ዝኾነ ናይ ተስፋ ብርሃን ኣይረኣየናን ዘሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። "ካብቲ ግጭት ዘውጽኣና ኣቐድም ኣቢልና ፖለቲካዊ ፍታሕ እንተ ንረክብ ዝሓሸ እዩ። ንነብስና ከነዐሽዋ የብልናን። ምኽንያቱ፡ ዋላ እውን ጽባሕ እቲ ግጭት እንተተቋረጸ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብሮኦም እተመዛበሉሉን ብዙሕ ዘድልዮምን ነገራትን ኸጋጥመና እዩ ።" ኣመሪካ፡ ው.ሕ.ሃ. ከምኡ'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ኩሎም ቀጥታዊ ዘተ ክጅመር ምሕጽንታ ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለው። ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ቀንዲ ናይ ንግዲ ስምምዕ ምውጽኣን እቲ ብቐጻሊ ዝንገር ናይ ማዕቀብን ምፍርራሕን፡ ነቲ ግጭት ከህድኦ ኣይከኣለን ። ኣብ ኢንተርናሽናል ክራይሲስ ግሩፕ ላዕለዋይ ተንታኒ ዊልያም ዳቪሰን፡ መንግስቲ ሕድገታት ብምግባር ናብ ትግራይ ረድኤትን ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ከምዝጅምር እንተዝገብር ናብ ዘተ ናይ ምምላስን ድርኺት ክፈጥር ከምዝኽእል ይኣምን። "ኣህጉራውያን ተዋሳእቲ እውን፡ ንቀዳማይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ናይ መወዳእታ ዕድል ንምሃብ ጥራይ ዘይኮነ፡ [ህወሓት] ብቕልጡፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተኣትዩ ናብ ዝበኣሰ ጎንጽን ህልቂትን ከምርሕ ይኽእል እዩ" ብምባል፡ መሪሕነት ትግራይ ዝለዓለ ግትኣት ከርኢ ይጽውዕ ። ይኹን እምበር ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ዝተወልዐ ኲናትን ወጥርን ንከብቅዕ ብዝተጻወቶ ተራ ኣብ 2019 ናይ ሰላም ኖቤል ዝተሸለመ ዶክተር ኣቢዪ ግን፡ ኣብ'ዚ ጉዳይ' ዚ ናይ ምልስላስ ስምዒት ኣየርኣየን። ኢትዮጵያ ዓመት ዝገበረ ግጭት ከተብዕል እንከላ እቲ ወዲ 45 ዓመት መራሒ ዜጋታቱ ናብ ኵናት ክኸዱን ክዋግኡን ብምምሕጻን "ንጸላኢና ብደምናን ብኣዕጽምትናን ክንቐብሮ፡ ክብሪ ኢትዮጵያ እውን መሊሱ ልዕል ከነብሎ ኢና ።" ይብል። ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ሃገራት ኲናት ኢትዮጵያ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ። ብምኽንያት ጽምብል ሓሙሻይ ዓመት ናይቲ ምስ ሰውራዊ ሓይልታት ኮሎምብያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ናብታ ሃገር ምብጻሓ ዘካይድ ዘሎ ጉተሬዝ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብነት ክስዕብ ጸዊዑ። "መስርሕ ሰላም ኮሎምብያ፡ ነቶም ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ቀንዲ ዝዋስኡ ዘለው ወገናት ነታ ሃገር ንምድሓን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብህጹጽ ተዅሲ ደው ከብሉ ክጽውዕ ይድርኸኒ" ኢሉ። ምቁራጽ ናይ ተዅሲ "ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዘኽእል ዝርርብ ንምግባር ከፍቅድን ኢትዮጵያ ዳግም ኣብቲ ዞባ ናይ ምርግጋእ ተራኣ ክትጻወት ከኽእልን እዩ" ኢሉ። እቲ ዋና ጸሓፊ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ፡ እቲ ኲናት ናብ ዝለዓለ ጠርዚ በጺሑ ኣብ ዝርከበሉን ኣመሪካ እቲ ኩነታት ብወተሃደራዊ መገዲ ክፍታሕ ከም ዘይኽእል ድሕሪ ምግላጻን እዩ። ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ "ዲፕሎማሲ እቲ ቀዳማይ፣ ናይ መወዳእታን እንኮን ኣማራጺ" እቲ ጎንጺ ምዃኑ ሓቢሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ነቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ኲናት ብኣካል ንምምራሕ ናብቲ ግንባራት ከም ዝኸደ ክግለጽ እንከሎ፤ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ገስጋስ ከም ዝቐጸሉ ይገልጹ። እቲ ካብ ዝውላዕ ዓመት ሓሊፍዎ ዘሎ ኲናት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ እንከሎ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥምየት ተቓሊዖም ኣለው። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ከኣ ካብ ቤትንብረቶም ተመዛቢሎም ኣለው። ቅልውላው ትግራይ፡ ሕቡራት ሃገራት- ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሓለፍቱ ክትሰጉግ ምውሳና ከምዘሰንበዶ ገሊጹ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ኢትዮጵያ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ካብ ሃገራ ክወጽኡ ዘሕለፈቶ ውሳነ "ኣሰንቢዱኒ' ክብል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ውሳነ መንግስቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታን ናብቲ ትካል ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበን፡ እቶም ውልቀሰባት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ሃገር ኢዶም ኣእቲዮም'ዮም ብምባል ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ንክወጽኡ ኣዚዙ'ዩ። ኩሎም ስራሕቲ እቲ ውድብ ብመትከላት ሰብኣውነት፣ ዘይሻራውነትን ነጻ ብዝኾነ ኣገባብን ከም ዝፈጸሙ ዘዘኻኸረ ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ቀረባት ረድኤት ኣብ ምቕራብ ከም ዝሰርሑን ኣባላቱ ብዝሰርሕዎ ከም ዝተኣማመንን ሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ከይብጽሕ 'ክልከላ' የጋጥም ኣሎ ብምባል ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ይኽልከል ኣሎ ዝብል ክሲ 'መሰረት ዘይብሉ' ክሲ'ዩ ምባሉ ይዝከር። ዋይት ሃውስ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ'ውን "ኣመሪካ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝነጥፉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሃገሩ ክወጽኡ ዝሃቦ ውሳነ ትጽቢት ዘይተገበሉን እዩ፤ ብትሪ ኸኣ ንኹንኖ" ኢሉ። ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ጄን ሳኪ እቶም ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ኣለው ዝብል ናይ መጠንቀቕታ ጸብጻብ ምስ ኣውጽኡ ኢትዮጵያ ክትሰጎም ከም ዝወሰነት ተዛሪባ። መንግስቲ ኢትዮጵያ መግቢ፣ መድሃኒትን ካልኦት ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤትን ንዘድልዮም ሰባት ከይበጽሕ ማሕለኻ ምዃኑ ድማ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ ክትብል ገሊጻ። "ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ምትዕንቓፍን ንዜጋኻ መሰረታዊ ኣማራጺ ምስኣንን ቕቡልነት ከም ዘይብሉ ኣላባት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ግልጺ ጻውዒት ከቕርቡ ንጽውዕ" ኢላ። ወሲኻ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንክናዋሕ ምኽንያት ኮይኖም'ዮም ኣብ ዝልዕሊ ዝበሎም ውልሰባት እገዳ ፋይናንስ ንምንባር ዘኽእል ትእዛ ከም ዝፈረመ ኣዘኻኺራ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ‘‘ተቐባልነት ዘይብሎም’’ ዝበሎም ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ኤጀንሲታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ግዝኣት እታ ሃገር ክወጹ'ዩ ኣዚዙ፡፡ እቶም ውልቀ ሰባት፡ እዞም ወልቀ ሰባት ኣበ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኢዶም ኣእትዮም ብዝብል ካብታ ሃገር ክባረሩ ከም ዝወሰነ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ካብ ዝጅመር ሓደ ዓመት ከቑጽር ቀሪቡ ዘሎ ኲናት ትግራይ ኢትዮጵያ ምስ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ምዕራባውያንን ግቡእ ዘይኮነ ጸቕጢ የሕድሩለይ ኣለዉ ኢላ ክትከስስ ጸኒሓ እያ፡፡ ትካላት ስብኣዊ ሓገዝ ብግዲኦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበጽሕ መገዲ ይዓጹ ኣሎ ክብሉ ብተደጋጋሚ ዝኸሰሱ ኮይኖም ትግራይ ብሰብ ስራሕ ጥምየት ትህሰ ከምዘላ ይገልጹ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ምስ ሮይተርስ ጻንሂት ዝገበረ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓደጋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ኣብ ትግራይ ጥምየት ጉድኣት የስዕብ ኣሎ ኢሉ ከም ዝግምት ገሊጹ እዩ። ናብታ ኣብ ትሕቲ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕግታ እትርከብ ትግራይ ክበጽሕ ካብ ዝግብኦ ቐረብ ሰብኣዊ ረድኤት 10 ሚኢታዊት ጥራሕ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ከም ዝበጽሐ እውን ሓቢሩ። ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እንታይ ተባሂሉ? ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዘሎ ኲናት ኣመልኪቱ ትማሊ ሓሙስ 26 ነሓሰ ዝርርብ ኣካዪዱ። እቲ ባይቶ፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ብተደጋጋሚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጽውን ክፉትን ዝርርብ ምግባሩ ይዝከር። እዚ ናይ ትማሊ ርክብ'ውን ብክፋል ክፉት ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ዙር እቲ ዝርርብ ብዕጽው እዩ ተኻዪዱ። ኣብቲ ኣኼባ እተን ኣባላት እቲ ባይቶ ብዛዕባ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ርእይቶአን ሂበን ኣለዋ። መን እንታይ በለ? ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዘሎ ኲናት ኣመልኪቱ ትማሊ ሓሙስ 26 ነሓሰ ዝርርብ ኣካዪዱ። እቲ ባይቶ፡ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ብተደጋጋሚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዕጽውን ክፉትን ዝርርብ ምግባሩ ይዝከር። እዚ ናይ ትማሊ ርክብ'ውን ብክፋል ክፉት ዝነበረ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ዙር እቲ ዝርርብ ብዕጽው እዩ ተኻዪዱ። ኣብቲ ኣኼባ እተን ኣባላት እቲ ባይቶ ብዛዕባ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ርእይቶአን ሂበን ኣለዋ። መን እንታይ በለ? ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ እቲ ካብ ትግራይ ተበጊሱ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ዘሎ ኲናት ደው ኢሉ፡ ኩሎም ወገናት ናብ ዝርርብ ክመጽኡ ኣለዎም ክብል ንባይቶ ጸጥታ ተዛሪቡ። ኩሎም ኣካላት ተኹሲ ኣቋሪጾም ነቲ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ከናድዩ ብተደጋጋሚ ዝሓተተ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ትማሊ'ውን ነቲ መርገጺኡ ኣንጸባሪቑ። "ኩሎም ወገናት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ተኵሲ ደው ኣቢሎም ናብ ዝርርብ ከምጹ ኣለዎም። ንኢትዮጵያ ክብሉ ንሰላማዊ መገዲ ኣማራጺ ክገብሩ ኣለዎም። ንኹሉ ዘሳተፈ ፖለቲካዊ ዝርርብ የድሊ። ናይ ደገ ሓይልታት ካብታ ሃገር ክወጹ ኣለዎም" ኢሉ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ብዘይ ቅድመ ኩነት ምቁራጽ ተኹሲ ክግበር ዝሓተተ ጉተረዝ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም እተዘራረበን፡ ንርእሱ ኣመሓዳሪ ክልል ትግራይ ኢሉ ናይ ዝጽውዕ ኣካል መራሒ ንዝኾነ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ደብዳበ ከምዝለኣኸሉ ተዛሪቡ። ሕቡራት ሃገራት ምስ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ብምዃን፡ ንኹሉ ዘሳተፈ ዝርርብ ክካየድ ድጋፍ ከምዝገብር'ውን ገሊጹ። "ወተሃደራዊ ግጭት መፍትሒ ከምዘየምጽእ ኩሎም ወገናት ክግንዘቡ ኣለዎም" ድማ ኢሉ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብምዃን ብሓባር ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ናብ ምዝዛም ተቓሪቡ ምህላው ጉተረዝ ኣመልኪቱ። እቲ ዋና ጸሓፊ ዘልዓሎም ሰለስተ ቀንዲ ገዳያት፡ ኩሎም ወገናት ብቕልጡፍ ተኵሲ ደው ከብሉ፣ ቀይድታት ዘይብሉ ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕ መገዲ ብምኽፋት ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህቡ መሰረተ ልምዓት መሊሶም ክኽፈቱን ብኢትዮጵያ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ዝርርብ ክጅመርን ዝብሉ እዮም። "ናይ ኢትዮጵያ ሓድነትን ሰላም እቲ ዞባን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ" ዝበለ እቲ ዋና ጸሓፊ፡ እቲ ኲናት ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ኪንዮ ምስጋሩ ካልኦት ሓይልታት እቲ ዞባ ከም ዝኣተውዎ ገሊጹ። "ነቲ ኩነታታት ዘበኣእስ ዘረባታትን ብብሄር ተሞርኪዝካ ንሰባት ዕላማ ምግባር ተጋዲዱ ኣሎ። ደቂኣንስትዮን ህጻናትን ጾታዊ መጥቃዕቲ ይበጽሖም ኣሎ። ነዚ ኣትሪረ እኹንን" ክብል ነቲ ባይቶ ተዛሪቡ። ኪንዮ ሰብኣዊ ቅልውላው ቁጠባ ኢትዮጵያ እናንቆልቆለ፣ ልቃሕ እታ ሃገር እናወሰኸ፣ ልቃሕ ናይ ምርካብ ዕድል እናጸበበ፣ ናህሪ ዋጋታት እናወሰኸን መሰረታዊ ናይ መግቢ ቀረብ እናተወድአ ምምጽኡ'ውን ገሊጹ። ኣብ ሕቡራት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሴ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘስምዖ ቃል "መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ንምስፋን ዝወሰኖ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ህወሓት ክቕበሎ ጸቕጢ ክግበር ይግባእ" ኢሉ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንሉኣላውነት ኢትዮጵያ ኣኽቢሩ ሃናጺ ብዝኾነ መገዲ ጥራይ ነታ ሃገር ክሕግዝ ከም ዝግባእ'ውን ተዛሪቡ። "ሸቶና ሰላም እዩ። ህወሓት ግና ኣብ መንጎ ሰላምን ኢትዮጵያን ደው ኢሉ ኣሎ። ህወሓት ግዳይ ዘይኮነ ኣጥቃዒ እዩ" ዝበለ እቲ ኣምባሳደር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ክወርድ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ጸቕጢ ክገብር ኣተሓሳሲቡ። ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዝሓልፈሉ ቦታታት ዘሎ ተፍትሽ ንምጉዳልን ነቲ ተፍትሽ ብዘመናዊ መሳርሒ ንምክያድ ኢትዮጵያ ድልየት ከም ዘለዋ ብምሕባር፡ ሰብኣዊ በረራ ከም ዝተፈቐደ ገሊጹ። እቲ ኣምባሳደር ነዚ ዝበለ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስን ወኪል ኣመሪካን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምቕራብ ሰብኣዊ ረድኤት ንዘሎ መሰናክላት ድሕሪ ምንቃፎም እዩ። ከም ኤለክትሪክን ስልክን ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት ብዝምልከት "እቲ ኣገልግሎት ዝጅመር ሰላምን ሕግን ምስ ዝሰፍን እዩ" ክብል ምላሽ ሂቡ። ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ክበጽሕን ህዝቢ እቲ ክልል ሰላም ክረክብን፡ መንግስቲ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ እንተገበረ፤ ህወሓት ነቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣስፊሑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ነቲ ባይቶ ተዛሪቡ። ህወሓት ሰብኣዊ ረድኤት ከይበጽሕ ጌሩ እዩ ዝበለ ኣምባሳደር ታዬ፡ እቲ ጉጅለ ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእ ከም ዝፈጠረን መንግስቲ ሰላም ንምስፋን ሓላፍነቱ ይዋጻእ ምህላውን ኣረዲኡ። ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ምህላው ኣመልኪቱ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንዝቐርብ ክሲ ብዝምልከት "ብሄር መሰረት ዝገበረ ኣፈላላይ የሎን። መምርሒ ኣሎና" ክብል ነጺግዎ። ብዛዕባ እቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ነቲ ጉዳይ ምትዕብባይን ፖለቲካዊ መልክዕ ምሃብን ንውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዘይልውጦ" ኣፍሊጡ። ተኹሲ ደው ንምባልን ንዘተን ጻውዒት እኳ እንተተገበረ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ የንቀሳቕስ ምህላዉን፡ ህወሓት'ውን መጥቃዕቱ ናብ ዓፋርን ኣምሓራን ብምስፋሕ ብኣማኢት ኣሽሓት ክፈናቐሉ ይገብር ምህላው ብምግላጽ፤ እዚ ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝሓተት ወኪል ኣመሪካ እያ። ሓይልታት ኤርትራ ናብ ትግራይ ተመሊሶም ኣትዮም ኣለው ብምባል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ዝተፈጠረ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ሰፊሕ ኲናት ናይ ምውላዕ ስግኣት ዝፈጥር እዩ ኢላ። ኣመሪካ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትን ኣዝዩ ከም ዘተሓሳሰባ ዘመልከተት ወኪል ኣመሪካ፡ ኩሎም ሓይልታት ተኹሲ ደው ከብሉ፣ መንግስትን ህወሓትን ንቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከፍቅዱ፣ ኣብ ዘተ ዝተመርኮሰ ተኹሲ ደው ምባል ክግበርን ሓይልታት ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ሕጂ ክወጹ ሓቲታ። ሚልዮናት ረድኤት ኣብ ዝደልዩሉን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ንጥሜት ተቓሊዑ ኣብ ዝርከበሉ ኩነታት፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኮነ ኢሎም ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣቱ ጌሮም ክትብል ክትከስስ እንከላ እዚ ብቕልጡፍ ተኣሪሙ ረድኤት ከምዝቐርብ ክግበር ኣለዎ ኢሉ። ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት'ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕትታት ከም ዝፍጸም ጸብጻባት ከም ዘሎ ብምጥቃስ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓደ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛ ብሓይልታት ህወሓት ከም ዝተቐተለን ናይ ረድኤት መኻዚኖ ብህወሓት ከም ዝተዘመተን ገሊጻ። ኤርትራ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ቅልውላው ኣብ ምብእኣስ ዘለዋ ግደ ንኣመሪካ ኣዝዩ ከም ዘተሓሳስባ ዝተዛረበት እታ ኣምባሳደር፡ እዚ፡ ምቁራጽ ተኹሲ ንምግባርን ብዘተ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምንዳይ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ኢላ። ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንሰራዊት ኤርትራ ዝኸሰሰት እታ ተወካሊት፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ እገዳ ምንባራ ብምዝኽኻር፤ ሃገራ ተወሳኺ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዳ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ሓቲታ። ኩሎም ወገናት ወተሃደራዊ ስጉምቲ መፍትሒ ከም ዘየምጽእ ተረዲኦም፡ ተኹሲ ንምቁራጽን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምርካብን ብቕልጡፍ ናብ ዝርርብ ክመጹ ሓቲታ። እቲ ኲናት ብመገዲ ህወሓት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቖልዑ ናብ ውትህድርና ክዋፈሩ ከም ዝገበረን ተወካሊ ህንዲ ገሊጹ። ኣብ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምምሕያሽ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምንባሩ ብምዝኽኻር፡ እቲ ምቁራጽ ተኹሲ በቲ ካልእ ወገን ተቐባልነት ብዘይምርካቡ እቲ ኲናት ናብ ካልኦት ከባቢታት ብምስፍሑ እቲ ዝበጽሕ ጉድኣት ምውሳኹ ገሊጹ። ነቲ ኣኼባ ዝመርሐ ተወካሊ ህንዲ ወሲኹ'ውን መንግስቲ ነቲ ጸገም ንምእላይ ምስ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ናይ ረድኤት መሻርኽትን ሓቢሩ ይሰርሕ ምህላው ብምግላጽ፤ በቲ ዝገበሮ ጻዕሪ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ይመሓየሽ ምህላው ሓቢሩ። በዚ ድማ ኢትዮጵያ ንእትገብሮ ጻዕሪ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣድላዪ ሓገዝ ክግበረላ ከምዝግባእን ብፍላይ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ድጋፍ ክገብሩ ከምዝግባእ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ንዘሎ ጸገም መፍትሒ ንምምጻእ ኢትዮጵያ ባዕላ እትመርሖ ሕገ መንግስታ ዘፍቅዶ ክኸውን ከም ዘለዎ ብምግላጽ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንምምጻእ ምትእምማን፣ ዕርቅን ዘተን ክህሉ ከምዘለዎ ኣመላኺቱ። ሃገሩ ንሓድነት ኢትዮጵያ፣ ነጻነትን፣ ሉኣላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ክኽበር ከምዘለዎ ከም እትኣምን ገሊጹ። ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ርእይቶ ዘቕረበ ወኪል ኬንያ፡ ብዘይካ ናይ ሃገሩ፡ ናይ ኒጀር፣ ሴይንት ቪንሰንትን ግሪናድስን ከምኡ'ውን ናይ ቱኒዝያ ዘጠቓልል ምዃኑ ብምምልካት፡ ዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ንዝገበሮ ጻዕሪ ኣድኒቑ። እቲ ወኪል ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ንዘሎ ኲናት ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ኩሎም ወገናት ሰላማዊ ሰባት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጉድኣት ደው ከብሉ፣ ረድኤት ንዝተጸገሙ ሰባት ክበጽሕ ከፍቅዱ፣ ተኹሲ ደው ከብሉ፣ ንዘተ መገዲ ንምክፋት፡ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ንህወሓት ኣሸባሪ ዝበለሉ ውሳነ ከልዕልን ኩሎም ወገናት ንዘተ ፍቓደኛታት ክኾኑ ሓቲቱ። ወሲኹ'ውን ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ፣ ሃብታማት ሃገራት ንሰብኣዊ ረድኤት እኹል ገንዘብ ከቕርቡ፣ ዓለምለኻዊ ትካላት ንቁጠባ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ድጋፍ ክህቡ፣ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ሃስያ ከስዕብ ዝኽእል ዝኾነ በይነኣዊ እገዳ ካብ ምግባር ክቑጠቡ ከምኡ'ውን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ሰላም ንምምጻእ ተርኡ ክጻወት ሓቲቱ። ተወካሊ ቻያና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእ ምስፋንን ናይ ዝተፈላለዩ ብሄራት ተወለድቲ ብሰላም ክነብሩ ምኽኣልን ካብታ ሃገር ሓሊፉ ነቲ ዞባ ኣገዳሲ እዩ ኢሉ። "ኩሎም ወገናት ነቲ ጸገም ብፖለቲካዊ ዘተ ክፈትሕዎ እዮም ኢልና ተስፋ ንገብር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቻይና ትድግፎ'ያ" ኢሉ። እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናበኣሰ ከም ዝመጸን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ረድኤት ዝደልዩ ሰባት ቁጽሪ ይውስኽ ምህላው ብምግላጽ፡ ኩሎም ኣካላት ሰብኣዊ ረድኤት ክበጽሕ ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ትግራይን ካልእ ከባብታትን ሰብኣዊ ረድኤት ዝህቡ ትካላት ንሉኣላውነት ኢትዮጵያ ከኽብሩን መምርሒታት ሕቡራት ሃገራት ክስዕቡን'ውን ሓቲቱ። ቻይና ትገብሮ ከም ዘላ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ንዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ዕርቅን ደው ክብል ሓቲቱ። "ብስም ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ደገ ምትእትታው ክህሉ የብሉን። ናይ ኣፍሪቃ ጸገም ብኣፍሪቃውያን ይፈታሕ" ኢሉ። ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተነበሩ እገዳታት ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ዝጻረሩን ነቲ ጸገም ካብ ምፍታሕ ዘጋድዱን ምዃኖም'ውን ተዛሪቡ። ወኪል ሩስያ ብወገኑ ናብ ትግራይ ረድኤት ንምልኣኽ ኣብ ሰመራ ተተኺሉ ዘሎ መተሓላለፊ ዝግባእ ኣገልግሎት ክህብ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ወሲኹ'ውን "ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ካብ ፖለቲካ ፈሊኻ ምርኣይ የድልይ። ኣብ ትግራይ ብዝግበር ሰብኣዊ ረድኤት ኣድልዎ ክህሉ የብሉን። ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያን ሶማልን ሓገዝ የድልዮም እዩ" ክብል ነቲ ባይቶ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዘተ ከም ዘድልይን እዚ ብመሪሕነት ኢትዮጵያውያን ክካየድ ከም ዘለዎን ሓቢሩ። "ናይ ወጻኢ ሓገዝ ንልኣላውነትን ፖለቲካዊ ነጻነትን ኢትዮጵያ ብዝሓለወ መልክዑ'ዩ ክወሃብ ዘለዎ" ክብል'ውን ገሊጹ። መንግስቲ ፌደራል ነታ ሃገር ናብ ሓድነትን ሰላምን ናይ ምውሳድ ዓቕሚ ከም ዘለዎ'ውን ተዛሪቡ። ንኹሉ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተገበረ እገዳታት ብምውጋዝ ድማ፡ ናይ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ርእይቶታት ክካተት ከም ዘለዎ ኣጽኒዑ ተዛሪቡ። ጸሪፍካ' ተባሂሉ ብማሕነቕቲ ክቕጻዕ ዝተፈርደ ሸኽ እቲ ንሞት ዝተፈርደ ሸኽ ዓብዱልጀባር ናስር ካባራ ነቲ ዝተበየነሉ ናይ ሞት ፍርዲ ይግባይ ክብል ከምዝኽእል ቤት ፍርዲ ሸሪዓ ኣፍሊጡ። ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ካኖ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ሸሪዓ፡ ንሓደ ህቡብ እስላማዊ ሸኽ፡ ንነቢይ መሓመድ ብምጽራፉን ኣብ ገሊኡ ስብከቱ [ንህዝቢ] ዘለዓዕል ዘረባ ብምዝውታሩን ብማሕነቕቲ ክቕጻዕ ተፈሪዱ። እቲ ክሱስ ግን ነቲ ክሲ “ኣይወዓልኩዎን” ክብል ክሒድዎ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሸኽ ዓብዱልጀባር ናስር ካባራ፡ ንነቢይ መሓመድ ኣነኣኢሱ ብዝብል ክሲ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣትሒዙ ብሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ይፍለጥ። ንሱ ግን ሽዑ እውን ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ኣይተቐበሎን። ናይጀርያውያን ንመስርሕ ነቲ ጕዳይ ብቐረባ ተኸታቲሎምዎ እዮም። ካኖ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ካብ ዝርከባ ሓያሎ ግዝኣታት ኣብ ጐድኒ እቲ ዓለማዊ ሕጊ፡ ሸሪዓ ካብ ዝትግበረለን ሓያለ ግዝኣታት ሓንቲ እያ። እቲ ወዲ 52 ዓመት ምሁር ወዲ ቓድሪያ ዝተባህለ ቦታ እዩ፤ ኣብ ካኖ ከኣ ብዙሓት ሰዓብቲ ኣለውዎ። ኣቦኡ ብ1996 ክሳዕ ዝመውት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ መራሒ ናይ ሓደ ፍልይ ዝበለ እምነት እዩ ነይሩ። ሸኽ ዓብዱልጀባር ኣብቲ ዝተበየነሉ ፍርዲ ናይ ይግባይ መሰል ኣለዎ። ኣብ ናይጀርያ ብዙሕ ግዜ ናይ ሞት ፍርዲ ኣይወሃብን እዩ። ኣብ ክንዳኡ እቶም ገበነኛታት ተባሂሎም እተኣስሩ ሰባት ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይእሰሩ እዮም። ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ዝተዋህበ መዳልያ ሽልማት ኖበል ተሰሪቑ ንፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ኤፍ-ዳብሊው ደ ክለርክ ዝተዋህበ መዳልያ ሽልማት ኖበል ከም ዝተሰርቀ ተገሊጹ። እቲ ብስሙ ዝጽዋዕ ማዕከን (ደ ክለርክ ፋውንዴሽን) ንቢቢሲ ከምዘረጋገጾ፡ እቲ መዳልያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ'ዩ ካብ ገዝኡ ተሰሪቑ። እቲ ትካል ብዛዕባ ኣሰራርቕኡ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ኣብቲ ኣብ ኬፕታውን ዝርከብ ገዝኡ ኣብ ዝተኻየደ ዝምታ ከምዝተወስደ ጸብጻባት እታ ሃገር ሓቢሮም። እቲ ናይ መወዳእታ ጻዕዳ ፕረዚደንት ዓሌታዊ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነ ደ ክለርክ፡ ኣብ 1993 ምስቲ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ነልሰን ማንዴላ ሽልማት ኖበል ተማቒሉ። ክልቲኦም መራሕቲ፡ ነታ ሃገር ብሰላምን ካብ ዓሌታውነት (ኣፓርታይድ) ናብ ደሞክራሲ ብምስግጋሮም'ዮም ነቲ ሽልማት በቒዖም። ፖሊስ ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዘእተውዎ ሰብ ከምዘየለን፡ እቲ መዳልያ ክሳብ ሎሚ ከምዘይተረኽበን ማዕከናት ዜና ደቡብ ኣፍሪቃ ጸብጺበን። ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ኣብ 2021 ዝዓረፈ ፕረዚደንት ነበር፡ ንሓደ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ካብ ናይ ወጻኢ መገሻኣ ምስተመልሰት፡ ውሑስ ሳጹን ናይቲ ገዛ "ዳርጋ ጥርሑ" ከምዝጸንሓ ተዛሪባ። "ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ከምዝተሰረቕና'ዩ ተረዲኡኒ። ብ5 ሚያዝያ ናብቲ ሳጹን ምስከድኩ ተኸፊቱ ጸኒሑኒ። ቅድሚኡ መዓልቲ ካብ ናይ ወጻኢ መገሻይ ተመሊሰ ስለዝነበርኩ፡ እቲ ዕለት እዝክሮ'የ። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ እቲ ሳጹን ዳርጋ ጥርሑ'ዩ ጸኒሑኒ" ኢላ። "ዝበዝሕ ኩቡር ዑንቁታተይ ተወሲዱ'ዩ- ብዋጋ ክትምኖ ቀሊል ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ እቶም ዝተወስዱ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ብፍሉይ ኣጋጣሚታት ዝተዋህቡኒ'ዮም። ብዘይክኡ'ውን፡ ካብ ኣደይ ዝወረስክዎም ነይሮም" ክትብል ኤሊታ ደክለርክ ተዛሪባ። ክርከቡ'ዮም ዝብል ተስፋ ከምዘይብላ'ውን ንኒውስ24 ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጻ። እቲ መዳልያ ሽልማት ኖበል ብዓል 18-ካራተ ወርቂ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብ 2021 ኣብ መበል 85 ዓመቱ ዝሞተ ደክለርክ፡ ኣብ 1989 ብጻዓዱ ፕረዚደንት ኮይኑ ምስተመርጸ፡ ንነልሰን ማንዴላ ድሕሪ 27 ዓመታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፍታሕ ብምግባር፡ ዓሌታዊ ሕግታትን ፖለቲካዊ እገዳታትን ከምዝለዓል ገይሩ። ኣብ 1994 ድማ ንመራሒ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ኤ-ኤን-ሲ) ዝነበረ ማንዴላ ስልጣን ኣረኪቡ። ቲፋኒ ሓድሽ ብሰንኪ ዝቐረበላ ዘይዕዉት ክሲ ስራሓ ከምዝሰኣነት ተዛሪባ- ጸብጻባት ፍልጥቲ ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ተዋዛዪትን ተዋሳኢትን ቲፋኒ ሓድሽ ድሕሪ ዝቐረበላ ዘይዕዉት ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ስርሓ ከምዝሰኣነት ተዛሪባ ክብላ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን። ተመስሪቱላ ዝነበረ ምስ ጾታዊ ዓመጽ ዝተኣሳሰር ክሲ'ኳ እንተተሰረዘ ኣብ ስራሓ ከቢድ ጽልዋ ከምዘስዓበላ'ያ ቲፋኒ ትገልጽ። እቲ ኣብ ቤትፍርዲ ሎስኣንጀለስ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ፡ ቲፋኒ ምስ ተዋሳኣይ ኣርየስ ስፒርስ ብምዃን ንክልተ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ጾታዊ ተግባራት ዘመላኽት ነገራት ክገብሩ ኣገዲዳ ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪቡላ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ክልተ ኣስማቶም ዘይተገልጸ ከሰስቲ ኣሕዋት፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ነቲ ክሲ'ኳ እንተ ከምሰሓቦ እንተኣፍለጥ፡ ንስማ ዝደወነ ብምዃኑ ብዘይ ስራሕ ከምዝተረፈት ቲ-ኤም-ዚ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እቲ ኣብ 2013፡ ከም'ውን ኣብ 2014 ከምዝተፈጸመ ዝቐረበ ክስታት፡ ነቶም ኣብቲ እዋን ትሕቲ ዕድመ ዝነበሩ ቆልዑ ናብ ኢንዱስትሪ ምርኢታት ኮመዲ ንክኣትዉ ንምሕጋዞም ምስ ዝገበረቶ ፈተነ ዝተሓሓዝ'ዩ ክብል ሲ-ኤን-ኤን ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ። እንተኾነ ግን፡ ባዕላ ብቐጥታ ይኹን ብጠበቓታታ ብዛዕባ ዘስዓበላ ክሳራታት ብወግዒ ዝሃበቶ ዝርዝር መግለጺ የለን። ኮሚድያን ቲፋኒ ሓድሽ፡ ካብ ኤርትራዊ ኣቦኣ- ጸሃየ ረዳ ሓድሽን ካብ ኣፍሪቃዊት ኣሜሪካዊት ኣዲኣ- ለኦላን ኣብ 1979 ኣብ ደቡባዊ ሎስ-ኣንጀለስ ካሊፎርንያ እያ ተወሊዳ። ቲፋኒ ብተለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ተኸታታሊ ፊልም 'If loving you is wrong' ከምኡውን ኮመድያዊ ፊልምታት 'Girls Trip' ብዝተዋስኣቶ ጠባያት ተፈላጥነት ዝረኸበት'ያ። ብዘይካ'ዚ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ተዋሲኣ እያ። ቲፋኒ ኣብቲ ኣብ 2018፡ መበል 90 ጽምብል ሽልማት ኦስካርስ ኣብ ዝተኣንገደሉ ከተማ ሆሊዉድ ኣሜሪካ፡ ባህላዊ ክዳን ሓበሻ ምኽዳና ኣቓልቦ ብዙሓት ማእከናት ዜና ዝሰሓበ ኮይኑ ነይሩ። ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ጽምብል ሽልማት 'ኣሚ' ኣብ ዝተረኽበትሉ እውን ብሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበ ክዳን ተኸዲና ምቕራባ ይዝከር። ኣብ ታሕሳስ 2021 ናብ ኤርትራ ዝበጽሐት ቲፋኒ፡ "ብዛዕባ መጻኢ ህዝቢ" ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረበት ብምግላጽ፡ "መንእሰያት [ኤርትራ] ብዙሕ ዝጽበይዎ ነገር ኣሎ" ክትብል ኣብ ትዊተርን ኢንስታግራምን ጽሒፋ ነይራ። ኣብቲ ዘካየደቶ ኣብ መበቆል ዓዳ "ከዛ ከረን" (ዞባ ደቡብ) መሬት ጤሳ ከምዝተዋህባ'ውን ይዝከር። ኣብ 2019 ናብታ ሃገር ኣብ ዝተመለሰትሉ እዋን'ውን፡ ኤርትራዊ ዜግነትን ወረቐት መንነትን ተዋሂባ ነይራ እያ። ዶናልድ ትራምፕ፡ ባይደን “ናይዛ ሃገር ፀላኢ’ዩ” ኢሉ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኤፍ. ቢ. ኣይ ተዃሳሕቲ ሰነዳት ንምርካብ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዝኡ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ድሕሪ ምክያዱ ንፈለማ እዋን ኣብ ዘካየዶ ናይ ድጋፍ ሰልፊ፡ ንፕረዝደንት ጆ ባይደን “ናይዛ ሃገር ፀላኢ ’ዩ” ክብል ፀዊዕዎ። ፕረዝደንት ነበር ትራምፕ፡ ኣብ ዊልክስ-ባሬ ፔንስሊቫንያ ንዝተረኸቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ባይደን፡ ኤፍ. ቢ. ኣይ ኣንፃሩ ንክለዓል ከም መሳርሒ ከም ተጠቐመሉ ከሲሱ። እቲ ሃንደበታዊ ተፍትሽ፡ “ ኣብ ታሪኽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ስልጣን ብዘይ ግቡእ ብምጥቃም ዝተፈፀመ ዘሰምብድ ግህሰት እዩ” ኢሉ። ትራምፕ ንክልተ ሕፁያት ሪፓብሊካን ንምፍላጥ እዩ፡ ኣብ ግዝኣት ፔንስሊቫንያ ተረኺቡ። ዶክተር መህመት ኦዝ ንላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት) ኣሜሪካ፡ ሰናተር እቲ ግዝኣት ዳግ ማስትሪያኖ ድማ ቀፃሊ ኣማሓዳሪ ፔንስሊቫንያ ንምዃን ኣብ ንሕንሕ እዮም ዝርከቡ። ክልቲኦም ሕፁያት ብሓፂሩ እዮም ተዛሪቦም፤ ሓቂ ንምዝራብ ከም ልሙድ እቲ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ሰልፊ ብዛዕባ ሓደ ሰብ እዩ ነይሩ: ብዛዕባ እቲ ዋና ተዋሳኢ ትራምፕ። ወዲ 76 ዓመት ዶናልድ ትራምፕ፡ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ መደርኡ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ን ኤፍ. ቢ. ኣይ ብምንቃፍ ዘሕለፎ እንትኾን፡ ደሓር ግና ናብ ልሙድ ኣርእስቲ ብምምላስ፡ ኣብ ጉዳይ መረፃ 2020 ካብኡ ተሰሪቑ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ተነሓናሕቲ ውድብ ዲሞክራትስ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታትን “ሃገርና ንምድሓን” ኣብ ዝተብሃሉ መፅብዓታትን ኣብ ዝምልከት ተዛሪቡ። ብተደጋጋሚ፡ ኣብ መዐወኒ ዕፀ ፋርስ ኢድ ዘለዎም ሰባት ብሞት ክቕፅዑ ድማ ፀዊዑ። ትራምፕ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኤፍ. ኣይ ብምንቃፍ ዘሕለፎ እንትኾን፡ ደሓር ግና ናብ ልሙድ ኣርእስቲ ብምምላስ፡ ኣብ ጉዳይ መረፃ 2020 ካብኡ ተሰሪቑ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ተነሓናሕቲ ውድብ ዲሞክራትስ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታትን “ሃገርና ንምድሓን” ኣብ ዝተብሃሉ መፅብዓታትን ኣብ ዝምልከት ተዛሪቡ። ብተደጋጋሚ፡ ኣብ መዐወኒ ዕፀ ፋርስ ኢድ ዘለዎም ሰባት ብሞት ክቕፅዑ ድማ ፀዊዑ። ትራምፕ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኤፍ. ቢ. ኣይ ካብ መንበሪ ገዝኡ ሚስጥራዊ ሰናዳት ምሓዙ ስዒቡ፡ ምስ ሰብመዚ ፌደራል ኣብ ሕጋዊ ምውጣጥ’ዩ ዝርከብ። ሰብመዚ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንትራምፕ፡ “ዓበይቲ ሚስጥራት” ዝርከቦም ሰነዳት ዋይት ሃውስ ብዘይግቡእ ወሲዱ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ማር-ኣ-ሎጋ-ሪዞርት ወሲዱ ከዚኑ ብምባል እዮም ዝኸስዎ። ዓቀብቲ ሕጊ ፌደራል፡ ንሱ ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ ሰነድ ንዝካየድ ምርመራ ከተዓናቕፎ ከምዝኽእል ገሊፆም። ኣብ ዊልክስ-ባሬ ዝተረኸቡ ደገፍቱ ግና ንትራምፕ ኣተባቢዐሞ። ትራምፕ ነቲ ኤፍ ቢ ኣይ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዘካየዶ ተፍትሽ፡ “ዘሕፍር’ዩ” ብምባል፡ ብኤፍ. ቢ. ኣይን ክፍሊ ፍትሕን ንጥቃዕ ኣለና ኢሉ። ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ካብ መንበሪ ገዛ ፕረዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተወስዱ ሰነዳት ዝርዝር ንህዝቢ ኣፍሊጡ’ዩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ምስጢራዊ ምልክት ዝተገብረሎም ዓሰርተታት ባዶ ማህደራት ሓዊሱ 33 ሳንዱቕ ሰነዳት ተወሲዶም እዮም። ብተወሳኺ ካብ ቤት-ፅሕፈት ዶናልድ ትራምፕ 'ምስጢር'ን 'ልዑል ደረጃ ምስጢር'ን ዝብል ምልክት ዘለዎም ብዙሓት ሰነዳት ከምዝተረኽቡ ይገልፅ። ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ግና፡ እዚ ጉዳይ ኮነ ተባሂሉ ነቲ ፕረዝደንት ነበር ንምጥቃዕ ዝተኣለመ ውዲት እዩ ዝብል ቅዋም ኣለዎም። ፕረዝደንታት ኣመሪካ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ እንከለዉ፡ ኩሉ ሰነዳቶምን ኢመይሎምን ናብ ሃገራዊ ማህደር ከሰጋግሩ ኣለዎም። ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ስለምንታይ’ዮም መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ዝሓቱ? ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት ትግራይ-ኣብ ኣፈታትሓ ኲናትን ምሕደራን ክልል ትግራይ ኣመልኪቶም ንኹሉ ዝሓቁፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ዝሓትት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም። ‘ህዝብና ንናይ ህወሓት መለኮታዊ ስልጣን ኣይተቓለሰን’ ዝብሉ፡ እዞም ሰለስተ ብሄራውያን ውድባት፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ውድብ ናጽነት ትግራይን ባይቶና ዓባይ ትግራይን እንትዀኑ፡ ህወሓት፡ ብሕጊ ዀነ ብሞራል ንትግራይ ወኪሉ ክዛተ ዀነ ነቲ ክልል ንበይኑ ከመሓድር ግቡእ ከምዘይኰነ ይኸሱ። ቢቢሲ ትግርኛ፡ ብዛዕባ’ዚ ‘ኣካታዒ ዛዕባ’ ንሓደ ሓደ መራሕቲ እተን ውድባት ኣዘራሪቡዎም ኣሎ። ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ አሕመድ፡ ካብ ፖለቲካ ማእከል ሃገር ተደፊኡ ኣብ ትግራይ ዝዓስከረ ህወሓት፡ ኣብ’ቲ ክልል ብህዝባዊ መረጻ ስልጣን ተቖጻጺሩ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብዝተወለዐ ኲናት፡ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ እዋን፡ ብመሻርኽቲ ሰራዊታት ኢትዮዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን፡ ካብ ክልላዊ ስልጣኑ ተኣልዩ፡ መራሕቱ ናብ በረኻ ትግራይ ተደፊኦም። እቲ ክልላዊ ስርዓት ድማ ጠቕሊሉ ፈሪሱ። ኣብ መንጎኡ፡ ውድብ ብልጽግና፡ ምስ ገለ ካብቶም ኣብቲ ክልላዊ መረጻ ትግራይ ዘይተሳተፉ፡ ክልላዊ ውድባት ተሻሪኹ፡ ግዝያዊ ክልላዊ ምንግስቲ ኣቚሙ ነይሩ። ይኹን እምበር ህዝቢ ትግራይ ነቲ ሓድሽ ምሕደራ ሓንጓፋይ ኢሉ ከምዘይተቐበሎ እዩ ዝዝረብ። ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ጃምላዊ ቅትለት ሲቪል፣ ዝምታን ዘረፋን፡ ጾታዊ ዓመጽን ሰፊሕ ዕንወት መሰረተ-ልምዓትን ከምዘጋጠመ ይሕብር። ንህወሓት ሓዊሱ ንኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ከኣ ተሓተትቲ ምዃኖም ይገልጽ። መንእሰያት ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞም ግፍዒ ናብ በረኻታት ትግራይ ከይዶም ናብቲ ቃልሲ ተጸንቢሮም፡ መኪቶም። ሓላፊ ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ሃይሉ ከበደ፡ “ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ደቁን ሰበይቱን፡ ኣዲኡን ሓፍቱን፡ ግፍዒ ስለዝተፈጸሞ ንልኣላውነቱን ንድሕነቱን ክብል እምበር ንህወሓት ክብል ኣይተቓለሰን” ይብል ነቲ ኩነታት ከረድእ እንከሎ። ምኽንያቱ ይብል፡ “ብሕጊ ይኹን ብሞራል ህወሓት፡ ብጉልበት ካብ ስልጣን ተኣልዩ እዩ። ኣብ መንጐኡ ካልእ ምምሕዳር’ውን ተተኺሉ ነይሩ። ቃልስና ዝነበረ ምልሰት መንግስትነት ትግራይ እዩ”። ቅድሚ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ዘዛረብናዮ፡ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶና ዓባይ ትግራይ፡ ክብሮም በርሀ’ውን በዚ ሓሳብ ይስማማዕ። ክብሮም፡ "ህወሓት ፕሮፖጋንዳ እንተዘይኮይኑ ግቡእ ወተሃደራዊ ቅድመ-ምድላው ከይገበረ ንህዝቢ ንሓደጋ ስለዘቃልዐ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን ህዝብን ዝነበረ ውዕል ፈሪሱ እዩ" ይብል። ኣባል ማእከላይ እዚ፡ ሰራዊት ትግራይ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ እውን ብ29 ግንቦት 2021 ካብ በረኻ ምስ ድምጺ ወያነ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ቅድሚ እቲ ኲናት፡ እኹል ቅድመ ምድላዋት ከምዘይነበረ ተዛሪቡ ነይሩ። እቶም ብሄራውያን ውድባት እውን ንህወሓት እዮም ተሓታቲ ዝገብሩ። ከም ብሓድሽ ዝተወደቡ ሓይልታት ትግራይ፡ ብ21 ሰነ 2013 ዓ.ም ፡ ንርእሰ ከተማ ትግራይ፡ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገበረሚካኤል፡ እቲ ነባር ክልላዊ ምሕደራ ናብ ቦትኡ ምምላሱ ኣፍሊጡ። ‘ሕጋዊ ምልሰት መንግስትነት ትግራይ’ ክሓቱ ዝጸንሑ ውድባት ተቓውሞ ትግራይ ግን ኣብቲ ሓድሽ መንግስቲ ዝኾነ ቦታን ኣፍልጦን ኣይተዋህቡን። ኣቦ መንበራት እቶም ሰለስተ ተቓወምቲ ውድባት ዝርከብዎም ብዙሓት ኣባላቶም፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ተሳቲፎም ከብቅዑ፡ ህወሓት ካብ በረኻ ምስተመልሰ ግን ነቲ ስልጣን ንበይኑ እዩ ብሒቱዎ ክብሉ ከኣ ይኸሱ። ካብ ሽዑ ጀሚሮም፡ ገሊኦም መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም እንትጽውዑ፡ ካልኦቶም ድማ ጥሙር ባይቶ ክቐውም ሓቲቶም ነይሮም። ካብ ህወሓት ግና ኣወንታዊ ምላሽ ከምዘይረኸቡ ይዛረቡ። ሃይሉ ከበደ፡ ምልሰት መንግስትነት ትግራይ ማለት፡ በቶም ህዝባዊ ትካላት ኣቢልካ ሓድሽ ኣሳታፊ ዝዀነ ህዝባዊ መንግስቲ ምምስራት ማለት ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። “ህዝባዊ ቃልሲ ኢና ኣካይድና፡ ስለዝዀነ ‘ህዝባዊ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ’ ዝብል እምነት’ዩ ነይሩና” ከኣ ይብል። ሃይሉ ወሲኹ፡ “ምልሰት መንግስትነት ትግራይ ኢልና ኢና ንቃለስ ነይርና 'ምበር፡ ናይ ህወሓት መንግስቲ ክምለስ፤ በይኑ እንደገና ነቲ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ክደግም ኣይኰነን” ኢሉ። ላዕለዋይ ኣመራርሕ ውድብ ናጽነት ትግራይ [ውናት]፡ ዶ/ር ደጀን መዝገበ፡ “ሓባራዊ መንግስቲ ክንምስርት ኢና’ሞ ሓቢርና ክንስርሕ ኢና ዝብል ተስፋ ነይሩና” ክብል ኣብ ናይ ቀረባ እዋን መግለጺኡ ሓቢሩ። ውናት ኣብቲ ኣዘራራቢ መረጻ መንግስቲ ክልል ትግራይ እውን፡ ትግራይ ነጻ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ዝብል ርእይቶ ዝነበሮ ብሕታዊ ውድብ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን፡ ኩሎም እቶም ውድባት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ ንህወሓት ሓዊሱ፡ ህዝባዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ብምሕታት፡ ህወሓት ‘ዘይሕጋዊ’ዩ’ ክብሉ ከሲሶምዎ ኣለዉ። ኣብ ኣመሪካ ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ፡ ኣይተ ዮሃንስ ኣብርሃ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ “ቅድም ክብሉ፡ ሕጋዊ ክልላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክምለስ ጻውዒት ክገብሩ ጸኒሖም ሕዚ ተመሊሶም፡ ሕቶ መሰጋገሪ መንግሰቲ ምልዓሎም ከም መስርሕ ልክዕ ኣይመስለንን” ኢሉ። ብምቕጻል፡ እቲ ዘረባ፡ ካብቲ ‘ጸላእቲ ሓይልታት’ ዝበሎም፡ “ንመንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ኣይኰነን’ ዝብሉዎ ኣበሃህላ ፈልየ ክሪኦ እጽገም እየ” ኢሉ። ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ፡ ነቶም ተቓወምቲ ‘ሕንቁቓት’ ክብል ስለዝጸወዖም ካብ ብዙሓት ሰባት ሓያል ነቐፌታ በጺሕዎ’ዩ። ካልኦት ኣብ ደገ ዝርከቡ ‘ሕሉፋት’ ደገፍቲ እቲ ውድብ ድማ፡ ነቶም ተቓወምቲ፡ ‘ንስልጣን ዘቋምቱ ተለኣኣኽቲ ኣብዪ’ ብምባል፡ ስጉምቲ ክውሰዶም ዝጸውዑ ነይሮም። ክብሮም በርሀ፡ “ደለይቲ ስልጣን’ዮም ዝብሉና። ስልጣን እንተደለና’ውን ሓጢኣት ኣይኰነን። ፖለቲከኛታት ኢና፤ ዘሕፍር የብሉን። ክሓፍሩ ዘለዎም እቶም ብጥቕምን ምጉጅጃልን ንስልጣን ዝበሓትዎ ሰባት እዮም” ኢሉ። እቲ ኲናት ብሰላም ንከብቅዕ፡ ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፡ ናብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ብተደጋጋሚ ተመላሊሱ እዩ። ሕዚ ብኣመሪካ፣ ኬንያን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝምእዘን ጻዕርታት ልዝብ ይፍተን ከምዘሎ ይዝረብ’ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚቴ ከመዘቖመ ኣፍሊጡ ኣሎ። መራሕቲ ህወሓት’ውን፡ ብመንግስቲ ኬንያ ንዝምራሕ ዝርርብ ቅሩባት ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ዛጊድ ግን ተደራደርቶም ኣየነጸሩን። እቲ፡ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ቅልውላው ዘስዐበ ኲናት፡ ብሰላማዊ መገዲ ደዀን መዕልቦ ይርከቦ ይኸውን ዝብል- ተስፋ ዘሎ ዀይኑ፡ ካልኦት ድማ፡ ግዜ መዐደጊ ጥራይ እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣለዎም። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ፡ ዮውሃንስ ኣብርሃ፡ “ብኣና ሸነኽ ብዘተ መፍትሒ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ኣለና” ብምባል፡ ካብ’ቲ ካልእ ሸነኽ ግን ጥርጣረ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ። ሃይሉ ከበደ ግና፡ “ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦሮማይ ፈሪሱ እዩ። ንቐጻሊ ኣንፈት፡ መልዓሊ ነጥቢ ክኸውን ኣይኽእልን። ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከኽብር ኣይኽእልን፤ ብኡ ተደራዲርና እነዐውቶ ረብሓ’ውን የለን” ይብል። “ብሱሩ’ውን ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኹሉ ውርደት ኣብቂዕኻ፡ ብባህልና’ውን፡ ንእሽቶ ጣዕሳን ሰኸፈትን መድለየ ነይሩ። እዚኦም ግን ብእንትርናን ብትዕቢትን፤ ንሕና ኢና ገበርቲ ሓደግቲ እዮም ዝብሉ ዘለዉ” ብምባል፡ ትግራይ ንምምራሕ ሕጋዊ መሰረት፡ የብሉን" ይብል ሃይሉ። ካብዚ ብምብጋስ እዩ፡ እቶም ተቓወምቲ ውድባት፡ ህወሓት ናይ ምድራድር ውክልና'ውን የብሉን ዝብልዎ ዘለዉ። ዶ/ር ደጀን [ካብ ውናት] ምኽንያቱ እንተረድእ፡ “በየናይ ሕጊ ሰራዊት ክሃንጽ፡ ዲፕሎማሲ ከካይድ ይኽእል?” ኢሉ ብምሕታት፡ እዚኦም ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ፡ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ስራሕቲ ምዃኖም ይገልጽ። “ካብ ሕገ መንግስታዊ ወጻኢ ሓላፍነት ዝተሸከመ መንግስቲ ኣሎ፡ ነዚ ክሰርሕ ዘኽእል ሓላፍነት ዘለዎ ፓርቲ የለን። ንዘልኣለም መጻኢ ዕድል ትግራይ በይኑ ክብሕት ዝተመርጸ ውድብ የለን። ናይ ህወሓት ዳይናስቲ ክምስርት ዝመረጸ ህዝቢ የለን” ክብል ንህወሓት ወቒሱ። ዮውሃንስ ኣብርሃ፡ “ህወሓት ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ጸኒሑ ንምባል እንተዀይኑ፡ ይርደአኒ እዩ” ዝበለ ዀይኑ፡ በቲ ሕጋዊ መስርሕ መሰረት ግን ዝተመርጸ ውድብ ከምዝዀነ ይዛረብ። እቶም ተቓወምቲ፡ ኣብ ትግራይ ተንቀሳቒሶም፡ ቀልቢ ህዝቢ ንምስሓብ ዘኽእል ኩነታት ፈጢሮም፡ ህዝቢ ንህወሓት ይኣኽለኩም እንተኢሉ፡ ድሌት ህዝቢ ከምዘኽብር ኣረዲኡ። እንተዀነ፡ እቶም ተቓወምቲ ውድባት ህዝባዊ ጉባኤታት ከየካይዱ ተኸልኪሎምን፡ ምንቅስቓሶም ተገዲቡ ከምዘሎን ኣመልኪትና ንዘቕረብናሉ ሕቶ፡ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ “ከምኡ ዝተገብረ ግን ኣይመስለንን” ኢሉ። እቶም ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ፡ ምስ ህወሓት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ፡ ‘ሓባራዊ መድረኽ ውድባት’ ቆይሙ ከምዝነበረን፡ ገለ ጉዳያት ብሓባር ክዝትዩ ጀሚሮም ከምዝነበሩ ይዝክሩ። “ፎረም ውድባት መጻወቲ ቆልዑ እዮም ገይሮምዎ” ዝበለ ሃይሉ ከበደ ግን፡ ህወሓት ከድልዮ እንከሎ ጥራይ፡ ከምዝእከቡ፡ ወተሃደራዊ ዓወታት ክርከቡ ከለዉ ድማ ከምዝርሳዕ ይዛረብ። ጌታቸው ረዳ ግና፡ እቶም ኣመራርሓ ተቓውሞ ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ንልዕሊ 8 ግዜ ከምዝዘተዩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሒፉ እዩ። ሃይሉ ከበደ፡ “ድሕሪ ሕዳር፡ ዕጽዋን ክባን ዝበሃል ብልሓቱ ዘይፍለጥ፡ ፖለቲካ ኣቲና። እዚ ናይቲ ውድቀት ኣካል እዩ። ህዝቢ ትግራይ እናጠፍአ እናረገፈ [እዩ ዘሎ]. . ፡ ብሰንኪ ድኽመት ህወሓት፡ ዲፕሎማሲ ክስራሕ ኣይከኣለን። ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዲፕሎማስያዊ መሓዛ ክረክብ ኣይከኣለን” ይብል። እቶም ውድባት ተቓውሞ ከምዝብልዎ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ብደረጃ ሃገር ኰነ ብደረጃ ክልል፡ ሕገ መንግስቲ ፈሪሱ እዩ። ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ዮውሃንስ ግን፡ "እቲ ሕገ መንግስቲ ፈሪሱ እንተኢልና፡ ንሳቶም'ከ በየናይ መስርሕ እዮም ሕጋዊ ተቓወምቲ ኮይኖም?" ክብል ይሓትት። ክብሮም በርሀ ይቕጽል፡ “ሕገ መንግስታዊ ቅልውላው እዩ ኣጋጢሙ” ይብል፤ ሓድሽ መስርሕ ውዕል ምፍጻም ከምዘድሊ ድማ ይኣምን። ዶ/ር ደጀን ብወገኑ፡ “ምእንተ ዕላማና ክንብል ሰራዊት ክንሃንጽን ዲፕሎማሲ ክንሰርሕን ግድን ስለዝዀነ፡ እቲ ናይ ሕጊ ክፈተት ክንመልእ፡ ውድባትን ካልኦት ውልቀሰባትን ዝሳተፍሉ፡ ሓበራዊ መድረኽ ክህሉ ይግባእ” ኢሉ። ወኪል መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኣመሪካ፡ ዮሃንስ ኣብርሃ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ተሸርሺሩ ’ምበር ፈሪሱ እዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ይዛረብ። “ሕገ መንግስቲ ፈሪሱ እዩ እንተ ኢልና፡ ብዘይክኡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ደገ ክንንቀሳቐስ ይኸብደና እዩ” ብምባል፡ ናይቶም ተቓወምቲ ሓሳብ ነጺጉ። “ ኣይከኣልን ኣይበሃልን፡ ግን ነዊሕን ብዙሕን መስዋእቲ ከኽፍለና እዩ” ክብል ድማ ወሲኹ ስግኣቱ ኣረዲኡ። "ሕዚ መሰጋገሪ መንግስቲ እንተዝምስረት'ከ፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ከምኡ ካብ ምግባር ዓዲ ክውዕሉ ድዮም? "፡ ኢሉ ብምሕታት፡ እቲ ሓሳብ፡ ፍታሕ ኣየምጽእን ይብል። ንሱ፡ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ ኰነ ካልኦት ንቕድሚት ዕጫ ህዝቢ ትግራይ ክውስን ዝኽእል ኩነት፡ ነቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይርካ ከምዝፍታሕ እዩ ዝዛረብ። ንሱ ከምኡ ይበል ‘ምበር፡ እቶም ብሓደ ድምጺ ናጽነት ዘሰጉሙ ዘለዉ ብሄራውያን ውድባት ግና፡ “ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር እዩ ዝመርጽ፡ ምስ ባህጊ ‘ናጽነት’ ህዝብና ኣይሰመረን” ኢሎም እዮም ዝኸስዎ። ‘ሪፈረንደም’ ዝብል ቃል ከኣ መደናገሪ ከምዝዀነን ብተደጋገሚ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከምዝሃገረን ይኸሱ። ነዚ ክሲ ዝነጽግ ዮውሃንስ ኣብርሃ ብወገኑ፡ “ሕርያና ውሳነ ህዝብና እዩ ዝኸውን፡ ህዝብና እንታይ ከምዝደሊ ግን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ መድረኽ ክነዳልወሉ ኢና” ኢሉ። ህወሓት፡ ‘መሰል ዓርሰ-ውሳነ’ ብዝብል ነባር ቅዋሙ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ‘ሕዚ፡ ኣብ ጉዳይ ናጽነት እንታይ እዩ ቅዋሙ’ ዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ ግን፡ ውድቡ ኣብ ቀረባ እዋን ሓፈሻዊ ጉባኤ ምስ ኣካየደ፡ ቅዋሙ ከምዝንጽር፡ ኣይተ ዮውሃንስ ተዛሪቡ። ህያብ በዓል ልደት ሮበርት ደ ኒሮ ‘ክትሰርቕ ዝፈተነት’ ጓል ኣንስተይቲ ተኸሲሳ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ካብ ትሕቲ ገረብ ልደት ሮበርት ደ ኒሮ ህያባት ክትሰርቕ ፈቲና ተባሂላ ዝተታሕዘት ጓል ኣንስተይቲ ብስርቂ ተኸሲሳ። ፖሊስ፡ እታ ጓል 30 ዓመት ዝኾነት ሻኒስ ኣቪለስ ትማሊ ሰኑይ ሰዓት ኣብ ትሕቲ መሬት እቲ ኣብ ኣፐር ኢስት ሳይድ ዝርከብ ገዝኡ ክትኣቱ ርእዮም ክከታተልዋ ከም ዝኸኣሉ ገሊጾም። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ድሓር ሰቢራ ከም ዝኣተወት ዝሕብሩ ምልክታት ክረኽቡ ክኢሎም። ሰበስልጣን፡ ነታ ጓል ኣንስተይቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈጸሙ ብዙሕ ናይ ስርቂ ማእሰርቲ ከም ዝፈልጥዋ ይንገር። እዚ ወዲ 79 ዓመት ተዋሳኣይ ሮበርት ደ ኒሮ፡ ነቲ ዕግርግር ምስ ሰምዐ፡ ናይ ለይቲ ክዳኑ ተኸዲኑ ከም ዝወረደ ኤቢሲ ኒውስ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ሮበርት ደ ኒሮ፡ እቲ ተዋሳኣይ ጽቡቕ ከም ዘሎን፡ ርእይቶ ክህብ ከምዘይደልን ተገሊጹ። ወሲኹ ድማ እቲ ስርቂ ዝተባህለ ኣብ ሓደ ንግዚኡ ዝተኻረዮ ገዛ ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኒውዮርክ፡ መኮንናት ደድሕሪ እታ ጓል ኣንስተይቲ ናብቲ ኣፓርታማ ከም ዝኣተዉን፡ እታ ገበነኛ እያ ዝተባህለት ኣብ ሳሎን ገለ ህያባት ናብ ቦርሳኣ ከተእቱ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ከም ዝሓዝዋን ገሊጹ። መኮንናት እቲ ገዛ ናይ ደ ኒሮ ምዃኑ ከም ዘይፈለጡ ጸብጻባት ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እታ ጓል ኣንስተይቲ ክሲ ከም ዝኸፈተን መርመራ ይቕጽል ከም ዘሎን ገሊጹ። ሮበርት ደ ኒሮ፡ ዝያዳ ብከም በዓል ‘ዘ ጋድ ፋዘር’፡ ‘ታክሲ ድራይቨር’ን 'ጉድ ፌላስ'ን ብዝኣመሰሉ ፊልምታት ዝፍለጥ ኮኾብ ተዋሳኣይ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝተፈላለዩ ሆቴላትን ቤት መግብታትን ከም ዘለዎ’ውን ይግለጽ። ሮበርት፡ ንነዊሕ እዋን ነቓፊ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ከም ዝነበረ ይዝከር። ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ 2016፡ ንትራምፕ "ዓሻ"ን "ሃገራዊ ሓደጋን" ክብል ዝጸረፈሉ ቪድዮ ዘርጊሑ ነይሩ። እቲ ብብዙሓት ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ተዋሳእቲ ታሪኽ ኢንዱስትሪ ፊልም ዝቑጸር ደ ኒሮ፡ ኣብ ማንሃታን ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ። ክልተ ሽልማት ኣካዳሚን ጎልደን ግሎብን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ናይ ፊልም ሽልማት ከም ዝተዓወተ ይፍለጥ። ኣመሪካ፡ ብሽክሌታ እናዘወረ ባንክ ዝሰርቕ ጉሒላ ዝተቐየረ ትስፉው ኦሎምፒካዊ ሊብርቲቪል፡ ኣብ ሰሜን ቺካጎ እትርከብ ዓዲ እያ፤ ቶም ጀስቲስ'ውን ትውልዲ ዓዱ ኣብኡ'ዩ። እንተኾነ፡ እቲ ሽም ይዅን ኣድራሻ፡ ነቲ ኣብ ውድድር ብሽክለታ ኦሎምፒክ ናይ ምስታፍ ዝነበሮ ሕልሚ ጠንጢኑ፡ ባንክ ንምዝማት ዝወሰነ ውልቀሰብ ዝምጥኑ ኣይኮኑን። ኣብ ቍልዕነቱ ህንጡይ ብሽክለተኛ ነይሩ፣ ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከባቢኡ ኣትሌታት ክርኢ እንከሎ ተምሳጥ ሓዲርዎ። ካብ ሽዑ ንደሓር፡ ቶም ኣብ ብሽክለታ ተጸሚዱ። እኹል ብቕዓት ስለ ዝነበሮ ካብ ኮሌጅ ምስ ተመረቐ ድማ ምስ ጕጅለ ትራክ ኦሎምፒክ ኣመሪካ ተጠርኒፉ። ሓደ ዝጐደለ ነገር ግን ነይሩ፤ ቶም ኣብ ኮሌጅ ዘሕለፎ ሽዱሽተ ዓመታት ብፊልም፣ ብፍላይ ከኣ በታ ቤን ስቲለር ዝኣለያ ብ1994 ዝተሰርሐ ፊልም 'ሪያሊቲ ባይትስ'፡ ምሱጥ ነይሩ። እዛ ፊልም፡ ብዛዕባ ሓደ ስራሕን ጻዕርን ዘወግድ ገጸ-ባህሪይ እያ ተዘንቱ። ቶም ድማ፡ በቲ ኢተን ሃውኪ ዝተዋስኣሉ ትሮይ ዳየር ኣዐርዩ ተሳሕበ። ዳየር ብሕብረተሰብ ተስፋ ዝቘረጸ፡ ኣብ ስራሕ ውጽእ እትው ወይ ጅምር ሕድግ ዘብዝሕ እዩ ነይሩ። ቶም፡ "ብተደጋጋሚ ነዚ ፊልም ምስርኣኽዎ፡ ብዘሐዝን ኩነታት ሓደ ነገር በሪሁለይ፡" ይብል። ኦሎምፒካዊ ምዃን ኣዝዩ ብዙሕ ጻዕርን ስራሕን ዝሓትት ኮይኑ ስለ ዝተራእዮ፡ ስልጠናታቱ ኣቋሪጹ ናብ ቺካጎ ተመሊሱ። ኣብኡ፡ ህይወት ከምቲ ዝተጸበያ ኣይጸንሓቶን፣ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን። ንሱ፡ ብሓጐስን ዓወትን ዝተመልኦ ህይወት እዩ ዝጽበ ነይሩ። እንተዀነ፡ ስራሕን ጻዕርን ዘይፈቱ ወይ ዘይደሊ ስነ ልቦና ስለ ዝሓዘ፡ ኣብቲ ናብ ዝደልዮ ሸቶ ዘብጽሖ ነገር ቀስ ኢሉ ቀጥታዊ ብዝኾነ መገዲ ክበጽሖ ኣይደለየን። ኣብ ክንድኡ፡ ካልእ ዝተፈለየ መገዲ መረጸ። 'Heat' ኣብ ዝተሰመየት ናይ ጉሕለት ድራማ ብዝርኣዮም ነገራት ሰኺሩ፡ ካብቲ ቅኑዕ ሕልሙ ስሒቱ ገበነኛ ክቕየር ወሲኑ። ብ23 ጥቅምቲ 1998፡ ኦሎምፒካዊ ክእለት ብሽክለታኡ ተጠቒሙ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሓደ ባንክ ሰሪቑ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ካልኣይ ደጊሙ። ድሕሪኡ'ውን ካልእ፣ መሊሱ፡ መመሊሱ ካልእ ባንክታት ሰረቐ። እዚ ዅሉ ክፍጽም እንከሎ ግን ብዘይ ዝዀነ ዕጥቂ እዩ ዝነበረ። በዚ ንከይጥርጠር፡ እቲ ገንዘብ ኣብ መትሓዚ ወረቐት ገይሩ ኣብ መአከቢ ጓሓፍ ወይ ድኻታት ኣብ ዝነብሩሎም ሰፈራት'ዩ ዝድርብዮ። ከምቲ ኣብ ፊልም እትርእዮ፡ ህይወት'ውን፡ ናይ ባዕሉ ድራማን ሳዕቤንን ሒዙ'ዩ ዝመጽእ። ክሳብ ቤት ጽሕፈት መርመራ ገበን ኣመሪካ [ኤፍቢኣይን] ዝሕዙኻ፡ ብዙሓት ዝስረቑ ባንክታት ክህልው ይኽእሉ። ቶም እንከይፈለጠ፡ ኤፍቢኣይ፡ ነቶም ዘይተፈትሑ ግድላት ዝምታ ዝተፈላለያ ባንክታት ንምፍላጥ ዘኽእሎ ፍጻመታት ንሓድሕደን ከራኽበን፡ ድሮ ጀሚሩ ኣሎ። ሰራሕተኛታት ባንክ፡ ዝሓዞ ሳንጣ ዶላራት መሊኦም ክሳብ ዝህብዎ ብትዕግስቲ ኣእዳው ኣብ ደረቱ ገይሩ ክጽበ ኣብ ዝተቐድሑ ምስልታት ዝርኣዩዎ ፖሊስ፡ "The Choirboy" ዝብል ቅጽል ሽም ሂቦምዎ። ቶም፡ ብዘይ ዝኾነ ሓቃዊ ሕልሚ እናነበረ ንስድራኡ የሕዝኖም ምህላው ምስ ተረድኦ'ዩ ዓለሙ ክትግልበጥ ዝጀመረት። ባንክ ምዝማት፡ ንግዚኡ ካብቲ ዝነበሮ ሕርቃንን ውሕስነትን ምስኣንን፡ ብመጠኑ ገንዘባዊ ዕረፍቲ ሂቡዎ እዩ። "ኵላትና መዓልታዊ ውዕሎና ንምክዋን ክንከይድ እንከለና፡ ኣነ ኣብ ትርፊ ግዜይ ባንክታት ብምስራቕ፡ ፍሉይ'የ ዝብል ንበይነይ ዝሓዝክዎ ምስጢር ነይሩኒ። ንሱ'ዩ፡ ብሞያይ ይዓቢ ከም ዘየለኹ መንቅሒ ደወል ዝኾነኒ፡" ይብል። ቶም ብዛዕባ እቲ ዘውረዶ ዕንወት ኣይኮነን ዝሓስብ፤ ወይ ኣብ ገጽ ሰራሕተኛታት እቲ ባንክ ዘሎ ፍርሒ ወይ ሳዕቤናት እቲ ገበን'ውን ኣይሓሰበን። ከምኡ እናበለ ብሓደ ሸነኹ ልዕል ክብል እንከሎ፡ ብሓደ ሸነኽ ግን ዕላማ ዘይብሉ ሰብ ኮይኑ ክስምዖ ጀሚሩ። ኣብዚ ግዜ፡ ናብ ሓደ ፓርቲ ከይዱ ምስ ኮኬይን ተላልዩ። እቲ ካብ ባንክ ዝሰረቖ ገንዘብ ድማ ሓሽሽ ንምዕዳግ ከውዕሎ ጀሚሩ። "ክጅመር እንከሎ ንምንታይ'የ ናብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣትየ ዝብል ሓሳበይ ጠፊኡ። ሕጂ፡ ሓሽሽ ምእንቲ ኽረክብ ኢለ፡ ባንክታት ዝሰርቕ ኣጸጋሚ ሰብ ኮይነ፡" ይብል። መጋቢት 2002፡ ከምቲ ዝለመዶ ካብ ሓደ ባንክ ዝደልዮ መጠን ገንዘብ ሰሪቑ። ኣብዛ ግዜ'ዚኣ ግን ክሳብ ሽዑ ዝነበሮ ዕድላት ዝተጸንቀቐ ይመስል። ኣብ መገዲ ብብሽክለታ እናኸደ እንከሎ፡ ፖሊስ ጠጠው ኣቢሎም፡ 'ዝሓዝካዮ ሳንጣ ክንፍትሾ ደሊና' ይብሉዎ። ንሱ ግን፡ ነታ ብሽክለታ ኣልዒሉ ሃፍ ኢሉ ይጽረግ፣ ፖሊስ ግን ተወሳኺ ሓይሊ ሓቲቶም ይስዕቡዎ። ብዝተወሰነ መልክዑ፡ እናተሽሎኽሎኸ ክሃድም ይፍትን፣ መሊኡ ዝሃድመሉ መገዲ እናኣለሸ እንከሎ ንቑልቑል ሓደ ሩባ ይርኢ። በቲ ሓደ ገጽ ነቲ ብሽክለታ ናብቲ ሩባ ደርብዩ በቲ ካልእ ገጽ ሃዲሙ ተሓብአ። ኣብ ልዕሊኡ ግን ሄሊኮፕተር ትዛውን ነይራ፣ መካይን ፖሊስ ድምጸን የስምዓ፣ ድምጺ እቶም 'ፉፉፉፉፍ'እናበሉ ኣሰሩ ንምርካብ ብሽታ ንኸለልይዎ ዝስዕብዎ ኣኽላባት'ውን ክሰምዖ ጀመረ። ኣብኡ፡ ንሰለስተ ሰዓታት በጥ ኢሉ ተሓቢኡ። "ሽዑ፡ እቲ ዝገብሮ ዘለኹ ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ዝተረድኣኒ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ፖሊስ እዮም ዝከታተሉኒ ዘለው፣ ግን ስለምንታይ? ኣብ ናይ ብሕተይ ደስ ዝብል ዓለም ከም ዘለኹ ኣይርኣዮምን ድዩ? ፈጺሙ ክርኣዮም ኣይክእልን። "ስለዚ፡ ንመጀመርታ ግዜ ሽዑ'የ ኣብ ሕማቕ መገዲ ከም ዘለኹ ፈሊጠ። ከመይ ገይረ ካብኡ ክወጽእ ከም ዝኽእል ግን ኣይፈልጥን፡" ይብል። ንሽዱሽተ ሰዓታት ድሕሪ ምጽባይ፡ ተረጋጊኡ ካብቲ ዝተሓብኣሉ ወጺኡ። ንግዚኡ ናጻ እዩ። ቶም፡ ሕጂ ብሽክለታ የብሉን፣ ብሽክለታኡ ኣብ ኢድ ፖሊስ ኣትያ እያ። ስለዚ፡ ፖሊስ ማዕጾ ገዛኡ ክዅሕኩሑ ዝተረፋኦም መዓልታት ውሑዳት እየን ኢሉ ክሓስብ ጀሚሩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ካብ መንበሪ ገዛ ወለዱ ናብ ገዛኡ መኪና እናዘወረ እንከሎ፡ መኪና ፖሊስ ረኣየ። ነጺግዎም መገዱ ይቕጽል፤ ንኻልኣይ ሳልሳይ ግዜ ብመስትያት እንተርኣየ ዝኽተሉዎ ዘለው ይመስሉ። ቶም፡ ነታ መኪና ጠጠው ኣቢሉ ብምውራድ ምስ ፖሊስ ፊት ንፊት ተፋጠጠ፣ ኵሎም ሸጓጕጦም ኣውጺኦምሉ። ኣብ መሬት ብከብዱ ደቂሱ ኢዱ ምስ ሃበን፡ ድምጺ ናብ ኣእዳው ዝኣቱ ዝነበረ መቑሕ ምስ ሰምዐን፡ ኵሉ ነገር ክሃፍፍ ተራእዮ። ናብ መደብር ፖሊስ ተወሲዱ፡ ሕቶታት ቀረበሉ። ሓደ ብሓደ ኵሉ ተናዚዙ፣ እቲ ካብ ዓለም ዝኸበደ ነገር ግን ተሌፎን ኣልዒሉ እቲ ሓቂ ንቤተሰቡ ምዝራብ ነበረ። ከመይ ኢሉ ብስርቂ ባንክ ተኣሲረ ክብሎም? "እቲ ካብ ህዝቢ ዝወርድ መዓት ዝጸርዎ ንሳቶም ስለ ዝኾነ፡ ዓቢይ ሕንከት'ዩ ነይሩ። ንሳቶም'ዮም እቲ ካብ መሓዙትናን ጐረባብትናን ዝበሃል ነገር ዝርእዩዎን ዝሰምዕዎን። ወድኹም ሕማቕ ገይሩ'ዮም ክብሃሉ። በዚ ኸኣ ክሳብ ሕጂ ኸቢድ ውርደት ይስምዓኒ፡" ኢሉ። ቶም፡ ኣብ ሰለስተ ግዝኣታት ኣሜሪካ 26 ባንክታት ብምስራቕ ን11 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ። ኣብቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ክፍጽሞ ዝጸንሐ ገበን፡ 129 ሽሕን 338 ዶላር ሰሪቑ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ፌደራል ክሰጋገር እንከሎ፡ "እዚ ጽቡቕ'ዩ፣ ኣብ መወዳእታ ምስ ከማይ ዝበሉ ሰባት ክኸውን እ፡የ" ዝብል ግምት ነይርዎ። "ግን ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ከምኡ ኣይጸንሐንን፡" ይብል። ቶም፡ ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ ንነብሱ ካብቲ ካልእ ዝተፈለየት ኣይኮነትን። ምስ ተኣሰረ፡ እቲ ባህሪኡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጉድኣት ከም ዘብጽሐ ተገንዚቡ። ብዙሓት በቲ ንሱ ዝፈጸሞም ዝምታታት ተጐዲኦም'ዮም። ሰራሕተኛታት ባንክ ንህይወቶም ሰጊኦም። "በዚ'ውን ሓፊረ . . . ገበነኛነት ተሰሚዑኒ። ንሳቶም እንታይ ይስምዖም ይኸውን ዝብል ፈጺመ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን ነይረ፡" ኢሉ። ብዛዕባ ሳዕቤን እቶም ዝሰርሖም ገበናት ምሕሳብ ደው ከብል ኣይክኣልን። ብሰንኪ'ዚ ኣዝዩ ውሉፍ ሰብ ኮይኑ። "ኣይፈልጥን፣ ስቕ ኢለ እየ ባንክ ምስራቕ ጀሚረ። ዘዘናግዕ ነገር ክኸውን ይግብኦ ነይሩ፣ ግን ሓደገኛ ኮይኑ። ስለዚ፡ ባንክ ክትሰርቁ የብልኩምን፡" ይብል። ብ2011፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽአ ምስ ኣፍቃሪቱ ባሪ ዳግም ተራኺቡ። ሕጂ ሓገዝ ምስ ዘድልዮም ሰባት [ከም መግቢ ዘድልዮም ምብላዕን ምስታይ፣ ኣስቤዛ ዓዲግካ ምብጻሕ፣ ናብዮት ምሃብ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት] ዝሰርሕ ቶም፡ ቤት ማእሰርቲ ህይወቱ ከም ዝለወጦ ይዛረብ። "ኣብ ቤት ማእሰርቲ'የ ዓብየ . . ። ብዘይተሓሰበ መገዲ ጠቒሙኒ፣ ነዚ ኸኣ አመስግን።" እዚ ዛንታ፡ ኣብ ምድላው Lives Less Ordinary ብአውትሉክ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ተዳልዩ ብኽልተ ክፋል ካብ ዝቐረበ ትሕዝቶ ዝተወስደ'ዩ። ኣብዚ ወርሒ ዝጅምራ፡ ክረኣያ ዝግባአን 10 ብሉጻት ፊልምታት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዝጅምራ ፊልምታት ቲቪ፡ ‘ሃውስ ኦፍ ዘ ድራጎን’ ሓዊሱ ክረኣያ ዝግባአን 10 ብሉጻት ፊልም ተመሪጸን ኣለዋ። ‘ጌም ኦፍ ትሮንስ’ ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ፡ ጋዜጠኛታት ቲቪን ኣድነቕቲ እቲ ፊልምን ብማዕረ ዝሓትዎ ሕቶ ነይሩ፣ ኣብ ቀጻሊ ከም ‘ጌም ኦፍ ትሮንስ’ ዕውት ዝኸውን መደብ እንታይ እዩ? ኢሎም ከስተንትኑ ጸኒሖም እዮም። ዓቢይ ኣህጉራዊ ዓወት ዘለዎ፡ ቀጻሊ ቅያዊ ፋንታዝያዊ ዛንታ፡ ሰሙናዊ ልቢ ተዓዘብቲ ብዘንጠልጥል ህሞታት ዝፈጥር መደብ ቲቪ? መልሱ ክኸውን ዝኽእል ተወሳኺ ‘ጌም ኦቭ ትሮንስ’ ምፍራይ እዩ። ኣብ ጆርጅ ኣርኣር ማርቲን ‘ፋየር ኤንድ ብላድ’ ትብል መጽሓፍ ዝተመርኮሰ ‘ሃውስ ኦፍ ዘ ድራጎን’ ቅድሚ ናይ ‘ጌም ኦፍ ትሮንስ’ 200 ዓመት ኣቐዲሙ ኣብ ዘሎ እዋን ብዛዕባ ዝነበሩ ብሩር ጸጕሪ ዘለዎም ሓለውቲ ገበል ዝዀኑ ስድራቤት ታርጋሪየን ዘዘንቱ መደብ ቲቪ እዩ። እቲ መደብ ከም እኒ ፓዲ ኮንሲዲን፡ ማት ስሚዝ፡ ኤማ ዳርሲ፡ ስቲቭ ቱሳንት፡ ኦሊቭያ ኩክ፡ ራይስ ኢፋንስ ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ኣሳቲፉ እዩ። ጆርጅ ኣርኣር ማርቲን ንዘ ሆሊዉድ ሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡"ሓያል'ዩ፡ ምስ ኣእምሮ ዘይኮነስ ምስ ዓሚቝ ውሽጣዊ ስምዒታት ዝተኣሳሰር እዩ፡ ‘ዳርክ’ (ሕመቕ/ኣሉታዊ/ክፍኣት) ኣለዎ፡ ከም ናይ ሸክስፒር ትራጀዲ'ዩ" ክብል ይገልጾ። ካብ ‘ጌም ኦፍ ትሮንስ’ ብዝሓሸ ኣብ ስክሪን ዝፍጸም መጠን ጾታዊ ርክብ ክቕንስ ተገይሩ እዩ። ዋላ'ኳገና ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ እንተሃለወ፡ ብዝንዕቕ ወይ ብዘኽብር መገዲ ዘይኮነስ "ብጥንቃቐ” ከምዝቐረበ እቶም ኣሰናዳእቲ ይገልጹ። ‘ሃውስ ኦፍ ዘ ድራጎን’ ንፈለማ እዋን ኣብ 21 ነሓሰ ብHBOን ብHBO MAXን ኣብ 22 ነሓሰ ድማ ብSKY AND SNOW ክቐርብ እዩ። ኣብ 2020 ኣብ ዌልስ ኣብ ትርከብ ሬክስሃም ትበሃል ንእሽቶ ከተማ ዘይተሓስበ ነገር ኣጋጢሙ፤ ራያን ረይኖልድስን ሮብ ማክኤልሄኒን ዝበሃሉ ክልተ ዓበይቲ ተዋሳእቲ ሆሊዉድ፡ ንጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሬክስሃም ዓዲጎምዋ። ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሬክስሃም ኣብ ዌልስ ቀዳመይቲ ኣብ ዓለም ድማ ሳልሰይቲ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዋ ፕሮፌሽናል ክለብ ኩዕሶ እግሪ ኰይና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ናሽናል ሊግ ዝበሃል ዝተሓተ ሓሙሻይ ደረጃ ውድድር እያ ትጻወት። ከም ኣድነቕቲ ‘ቴድ ላሶ’ ዝኣመሰሉ ዕውት መደባት ቲቪ ኣብ ዝበዝሕሉ እዋን፡ ሓቀኛ ህይወት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ንምንጋር ካብዚ ዝሓሸ ግዜ የለን። ከም ‘ቴድ ላሶ’ ምናባዊ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዘይኮኑስ ሓቀኛ ህይወት፡ ናይ ብሓቂ ተስፋታትን ናይ ብሓቂ ገንዘብን ኵሉ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከብ ዘርኢ ምዃኑ ብሉጽ ይገበሮ። ‘ወልካም ቱ ሬክስሃም’ ኣብ 24 ነሓሰ ኣብ ኣሜሪካ ብFXን Huluን ከምኡ’ውን ኣብ 25 ነሓሰ ኣብ ብሪጣንያ ብDISNEY+ ክፍኖ እዩ። ኔል ጋይማን ዝጸሓፋን ዝበለጸ መሸጣ ዘለዋን ንቕያ ዝዀነት ልብ-ወለድ ‘ዘ ሳንድማን’፡ ንነዊሕ ግዜ ብፊልም ክትስራሕ ከምዘይትኽእል ተገይራ ትሕሰብ ነይራ። ውሕሉል ልምዲ ዘለዎም ሰባት እንተፈተኑ'ውን ክሳብ ሕጂ ዕውት ዝዀነ የለን። ጋይማን ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "3000 ገጻት ዘለዎ ዛንታ፡ ኣብ ናይ ክልተ ሰዓት ፊልም ከቕርቡ ይጽዕሩ ነይሮም" ኢሉ። ዝተሓላለኸ ዛንታ’ዩ። ቶም ስቱሪጅ ከም እቲ ‘ድሪም’ ወይ ‘ሞርፊስ’ (ናይ ግሪኽ ኣምላኽ ሕልሚ) ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ‘ሳንድማን’ ኰይኑ ይዕየ። ‘ሳንድማን’፡ ንሓደ ዘመን ምሩኽ ኰይኑ ድሕሪ ምንባር፡ ንዝሓለፉ ጌጋታት ንምቕናዕ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናብ ብዙሓት ዓለማት ክጓዓዝ ኣለዎ። ኔትፍሊክስ ካብዚ ከም ግዌን ዶሊን ክሪስቲ፡ ጄና ኮልማን፡ ቦይድ ሆልብሩክ፡ ስቲቨን ፍራይን ፓተን ኦስዋልትን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ዝሳተፉሉ መደብ ቲቪ ልዑል እቶት ከምዝረክብ ይግመት። ‘ዘ ሳንድማን’ ኣብ 5 ነሓሰ ብNETFLIX ክፍኖ እዩ። ናይ DISNEY+'s ተኸታታሊ መደብ ቲቪ፡ ምስ ልዕለ-ጀጋኑ ‘ሺ ሃልክ፡ ኣቶርኒ ኣት ሎው’ ዘላሊ ፊልም እዩ። ታቲያና ማስላኒ ከም እታ ልዕሊ ሰብኣዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ሕጋዊ ጉዳያት ትነጥፍ ጠበቓ ጀኒፈር ዋልተርስ ኰይና ትዓዪ። ኣብዚ ጉዳያት እዚ ፍሉይ ክእለት ኣለዋ፡ ምኽንያቱ ብጌጋ ብደም ወዲ ሓውቦኣ ብሩስ ባነር ስለ ዝተበከለት፡ ናብ ልዕሊ ክልተ ሜትሮ ሰብነት ዘለዋ ‘ሃልክ’ ክትቅየር ትኽእል እያ። ኣብዚ ኣስታት 30 ዝዀኑ ጠበቓታት ምስ መዓልታዊ ክውንነት ፍቕርን ህይወትን ፈተውትን ዝቃለሱሉን ልዕለ-ጀጋኑ ዝኾኑሉን መደብ ቲቪ፡ ብዙሕ ሰሓቕ ተጸበዩ። ከም ቲም ሮት፡ በነዲክት ዎንግ፡ ጃሚላ ጃሚልን ጆን ባስን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ተሳቲፎምዎ እዮም። ‘ሺ ሃልክ: ኣቶርኒ ኣት ሎው’ 17 ነሓሰ ብDISNEY+ ክፍኖ እዩ። ሕቡራት ጕጅለ ኣሓት ንሓድሕደን ንምዕቋብ ክሳዕ ክንደይ ይኸዳ? ኣብዛ ሓዳስ ‘ዳርክ’ ኮሜዲ ፊልም እተን ኣሓት ብሓቂ ርሑቕ እየን ዝጓዓዛ። ሳሮን ሆርጋን፡ ምስ ኣን-ማሪ ዳፍ፡ ኢቫ በርቲስል፡ ሳራ ግሪንን ኢቭ ሄውሰንን፡ ብሚስጢር ናይ ዝሞተ ናይ ሓዲአን ሰብኣይ ናይ ህይወት መድሕን ብምትላል ምርመራ ዝግበረለን ሓሙሽተ ኣሓት ኰይና ይዋስኣ። ኣብታ መፋለጢ ፊልም (ትረይለር)፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ዓመጽ ክገብር፡ ከምኡ’ውን እተን ጕጅለ ኣሓት ብኸመይ ከምዘልግስኦ ውዲት ክገብራ ይረኣያ። ካብቲ መደብ ሰሓቕ፡ ንብዓትን ኣብ ቃንዛ ዘሎ ዘይንቕነቕ ኣረኣእያን ተጸበዩ። እተን ቀዳሞት ክልተ ክፋላት ኣብ 19 ነሓሰ ብAPPLE TV+ ክፍነዋ እተን ዝተረፋ ድማ ሰሙናዊ ክስዕባ እየን። ቅድሚ 17 ዓመት፡ ህቦብላ ካትሪና ንኒው ኦርሊንስ ኣዕንይዋ። ሓደ ካብ ሆስፒታላት እታ ከተማ ዝዀነ ሜሞሪያል ሜዲካል ሰንተር በቲ ህቦብላ ኣዝዩ ተሃስዩ። ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ሓኻይምን ነርሳትን ገለ ዘሕዝን ውሳነታት ክወስዱ ተገዲዶም። ፋይቭ ደይስ ኣት ሜሞሪያል ሸሪ ፊንክ ኣብ ዝጸሓፈታ መጽሓፍ ዝተመርኮሰት ኰይና፡ ንሳ ብዛዕባ እቲ ዘሕዝን ታሪኽ ኣብ መጋዚን ኒውዮርክ ታይምስ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ሽልማት ፑልቲዘር ተዓዊታትሉ እያ። እቲ መደብ ኣብ ቅድሚት ግንባር እቲ ህቦብላ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ዝወሰድዎ ውሳኔታትን ሳዕቤኑን የዘንቱ። እዚ ብተዓዋቲ ኦስካር ጆን ሪድሊን ብካርልተን ኪዩዝን ዝተዳለወ ተኸታታሊት ፊልም ዝዋስኡ ከም ቬራ ፋርሚጋ፡ ኮርኔልየስ ስሚዝ ጁንየርን ቼሪ ጆንስን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ዘሳተፈ እዩ። እተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፋላት ኣብ 12 ነሓሰ ብAPPLE TV+ እተን ዝተረፋ ድማ ብድሕሪኡ ሰሙናዊ ክፍነዋ እየን። ኣብ ስጳኛ ‘ኣልማ’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ‘ዘ ገርል ኢን ዘ ሚረር’፡ ብቛንቋ ስጳኛ ዝተሰርሐት ፍልይቲ ልዕለ ባህርያዊት ፊልም እያ። ኣልማ፡ ድሕሪ እቲ ዳርጋ ኵሎም መማህርታ ዝቐተለ ሓደጋ ኣውቶቡስ ኣብ ሆስፒታል ትበራበር። ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ይዅን ብዛዕባ ሕሉፍ ታሪኻ ዋላ ሓንቲ ኣይትዝክርን እያ። ህይወታ ከመይ ከምዝነበረ እናስተንተነት ክትመጽእ እንከላ ተመኵሮታታ ጐድናዊ ሳዕቤን ሕውየት ድዮም ወይስ ካልእ ዘፍርሕ ነገር ክህልዎም ይኽአል? ብሰርጅዮ ጂ ሳንቸዝ ዝተሰርሐት እዛ ፊልም፡ ከም ሚረያ ኦሪዮል፡ ኣሌክስ ቪላዛን ፖል ሞነን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ዘሳተፈት እያ። ኣብ 19 ነሓሰ ብNETFLIX ክትፍኖ እያ። ‘ኢንዳስትሪ’ ካልኣይ ተኸታታሊት ፊልም ሒዛ ዝመጸት ድራማ እያ። ቝጠባ ጽቡቕ ኣሎ። እቲ ለበዳ ኣጋጢሙ እዩ፡ እቶም ናብ ትካላቶም ተመሊሶም ክሰርሑ ዝተገደዱ ሰራሕተኛታት፡ ስግኣት ውህደት እቲ ትካል የፍርሖም ስለዘሎ፡ ንሓለፍቶም ዓቕሞም ከመስክሩ ኣለዎም። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እቶም ተመረቕቲ ዝያዳ ተመኵሮ ስለዘለዎም፡ ጌጋ እንተፈጺሞም ዝሕብኡሉ ቦታ ኣይረኽቡን። እቶም ኣርባዕተ ማእከላይ ገጸባህሪታት ተመሊሶም እዮም። ኣብዚ ማይሃላ ሄሮልድ፡ ማሪሳ ኣቤላ፡ ሃሪ ላውተይ፡ ዴቪድ ጆንሰን ዝኣመሰሉ ተዋሳእቲ ዘሳተፈት ‘ኢንዳስትሪ’ ዝያዳ ትርኢት ስርቂ፡ ዝያዳ ልዑል ድራማ፡ ዝያዳ ኣኽብሮትን ርእሰ-ኣስተንትኖን ከምኡ’ውን ዝያዳ ሚስጢርን ተጸበዩ። ‘ኢንዳስትሪ’ ንፈለማ እዋን ኣብ 1 ነሓሰ ብHBOን HBO MAXን ኣብ ኣሜሪካ ክትቀርብ እንከላ፡ ኣብዚ ቀውዒ ድማ ብBBC ONE ብiPLAYERን ኣብ ብሪጣንያ ክትፍኖ እያ። ስታንድ-ኣፕ ኮሜድያን ሞ ዓምር፡ ከም ሓደ ኣብ ቴክሳስ ዝዓበየ ፍልስጤማዊ ስደተኛ፡ መንነቱ ዝገልጽ ኮሜዲ ንነዊሕ እዋን ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ። ሕጂ ድማ ብዛዕባኡ ሓውሲ-ኣውቶባዮግራፊያዊ ተኸታታሊ ኮሜዲ ሰሪሑ ኣሎ። ንሱ ነቲ ኣብ ሂዩስተን ቴክሳስ ናብራ እናተላመደ ከም ስደተኛ ዜግነት ኣሜሪካ ንምርካብን ክልተ ዝተፈላለየ ባህሊ ንምትዕራቕን ዝጽዕርን ዘሎ ሞ ናጃር ኰይኑ ይዋሳእ። ዓምር ንዘ ደይሊ ቢስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣዝዩ ኣብ ህይወተይ ዝተመርኮሰ'ዩ" ይብል። "ብመሰረቱ ን25 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ጸኒሑ ክሳብ ሕጂ ዜግነት ብዛዕባ ዘይረኸበ ስደተኛ ዘዘንቱ'ዩ።" ተሬዛ ሩይዝ፡ ዑመር ኤልባን ፋራ ብሲሶን እውን ተሳቲፎምሉ እዮም። ‘ሞ’ ካብ 4 ነሓሰ ብNETFLIX ክፍኖ እዩ። ‘ዚ ኣሜሪካንስ’ ዝብል ናእዳ ዝረኸበ መደብ ዘዳለዉ ጆ ዋይስበርግን ጆኤል ፊልድስን ሕጂ ድማ ‘ዘ ፔሸንት’ ትብል ሓዳስ ልቢ ተንጠልጥል ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍልይቲ ተኸታታሊት ፊልም ሒዞም ደበኽ ኢሎም ኣለዉ። ኣብዛ 10 ክፋላት ዝሓዘት ፊልም፡ ስቲቭ ካረል ነቲ ብሓደ ሕሙም ዝጥለፍ ኣላን ስትራውስ ወኪሉ ይዋሳእ። እቲ ሕሙም ሳም ፎርትነር (ዶምሃል ግሊሰን ዝዋስኦ) ነቲ ናይ ቅትለት ዝንባለታቱ ሕክምና ዝሓትት ተኸታታሊ ቀታሊ ምዃኑ ይገልጽ። 30 ደቒቕ ንውሓት ኣብ ዘለዎም ክፋላት ‘ዘ ፔሸንት’፡ ኣላን ንሳም ግዴታኡ ንኽርድኦ ክሕግዞ ከሎ፡ ንነብሱ ከረድኣ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ብተግባር ዝተሰነየ ፍናን ተጸበዩ። እተን ቀዳሞት ሰለስተ ክፋላት ኣብ 30 ነሓሰ ኣብ ኣሜሪካ ብFXን ብHULU ክፍነዋ እየን፤ እተን ዝተረፋ ድማ ድሕሪኡ ሰሙናዊ ክቐርባ እየን። ትግራይ፡ ኮኾብ ተዋሳኢት ሆሊውድ እልፍነሽ ኣስፍሃ ሃደራ መቐለ ኣትያ ኮኾብ ተዋሳኢት ኢንዳስትሪ ፊልም ሆሊውድ ዝኾነት እልፍነሽ ኣስፍሃ መቦቆል ወላዲ ኣቡኣ ኣብ ዝኾነት ትግራይ ዑደት ንምግባር መቐለ ኣትያ። ኣብቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተገበረላ ፅምብል ኣቀባብላ ወለዳ፣ ስድርኣ ከምኡ እውን ልኡል ራእሲ መንገሻ ስዩም ክርከቡ እንከለው፤ በቲ ዝተገበረላ ኣቀባብላ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ንቢቢሲ ተዛሪባ። "ኣብታ ዝነብረላ ኒውዮርክ ከምዚ ዝበለ ኣቀባብላ ኣይረኽቦን። ክንድዚ ዝኣክል ርሕቐት መጺአ ኣብታ ዝተወለድኩላ ኒውዮርክ'ኳ ዘይረኸብክዎ ክብሪ ክረክብ ምኽኣለይ ፍሉይ እዩ" ኢላ። ንልዕሊ 12 ዓመታት ናብ ትግራይ/ኢትዮጵያ ከይመጽአት ምጽንሓ ዝሓበረት እታ ኮኾብ ተዋሳኢት፡ ሎሚ ዝመጽኣትሎም ብዙሓት ምኽንያታት ከምዘለዉዋ ገሊጻ። "ዘለኒ ርክብ መሊሰ ብምጥንኻር ኣብዚ ዝተለወጡን ዘይተለወጡን ብዙሓት ነገራት ንምዕዛብ'ዩ። ኣብዚ ናብ ወለዶታት ክሰጋገሩ ዝኽእሉ ብዙሓት ዝተዓቀቡ ነገራት ከምዘለዉ እሓስብ" ኢላ እልፍነሽ። ካብዚ ብተወሳኺ ብኣቡኣ ኣይተ ኣስፍሃ ሃደራን ኣዲኣ ኪም ኒኮልስን ዝንቀሳቐስ 'ኣፍሪቃን ሰርቪስስ ኮሚቴ' ዝተባሀለ ትካል ግብረ-ሰናይ ዘጣየሶም ክሊኒካት ከምእትዕዘብን ሓቢራ። "ኣብ መጻኢ ድማ ምስኦም ብምዃን ዝሓሸን ተበጻሕን ስራሕቲ ክፍሊ መዋልዳን ንምጥንኻር ክሰርሕ ድልየት ኣለኒ" ኢላ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር ዕላል። እልፍነሽ ንደቀንስትዮን ንህፃውንትን ዓሊሞም ዝካየዱ ዘለዉ ልምዓታዊ ስራሕቲ'ውን ክትርእይ እያ። ኣብ ጻንሒታ ናብ ጎቦታት ገረዓልታ ከምእትበጽሕ፣ ኣብ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ድማ ንሓጺር መዓልታት ከምእትጸንሕ ተዛሪባ። እልፍነሽ ብ1985 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ኒውዮርክ - ሃርለም ተወሊዳ። ኣቡኣ ኣይተ ኣስፈሃ ሃደራ ብ1979 ናብ ኣሜሪካ ብስደት ከምዝኣተወ ይግለጽ። ኣዲኣ ድማ ኣውሮጳዊት'ያ። ነቲ ሕዚ ብኮኾብ ተዋሳእነት ዝበጽሓትሉ ደረጃ፡ እቲ ገና ብንእስነታ ተመሃሪት ቤት ትምህርቲ ስነጥበብ ሃርለም ኮይና ዘንጸፈቶ ሰረት ከምዝኾነ ይዝረብ። ንፈለማ እዋን ዝተዋሰኣትሉ ፊልም '1/20' ዝብል ርእሲ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ከም 'ዳ ብሪክ'፣ 'ዘ ብላክ ሊስት'፣ 'ኦልድ ቦይ'፣ 'ሾው ሚ ኤ ሂሮ'፣ 'ዘ ፓኒሸር' ዝብሉን ካልኦትን ብዙሓት ፊልሚታት ከምኡ'ውን ናይ ተሌቪዥን ድራማታት ተሳቲፋ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ብተሌቪዥን ኣብ ዝቐርቡ ተኸታተልቲ ድራማታትን ካልኦት ሓጸርቲ ፊልምታትን እናሰርሐት ትርከብ። ስነ ጥበባዊ ቢንያም፡ "ኣብ ስነ ጥበብ እቲ ዝዓበየ ማሕለኻ 'ኣይትስራሕ' እዩ" ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ እምባ ጋልያኖ ተወሊዱ። ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ኣብኡ ተማሂሩ። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ኣስመራ ብ1975 ዓ.ም ዝተወለዐ ዕግርግርን ኵናትን፡ ምስ ወለዱ ናብ ከረን ከይዱ። ኣብ ከረን ሻውዓይን ሻምናይን ክፍሊ ተማሂሩ። ወለዱ ካህን ክኾነሎም ተመንዮም ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት (ሰሚናርዮ) ኣእትዮሞ። ኣስመራ ተረጋጊኣ፡ ሰላም ምስ ኰነ ከኣ፡ ናብ ቤቱ ተመሊሱ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ብ1978 ዓ.ም ወዲ 14 ዓመት እንከሎ፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ናብ ገድሊ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩ። ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ቢንያም ዮሴፍ፡ ኣብ ከተማ ከረን ብቑልዕነቱ ዝመለኻ ክራር፡ ኣብ ገድሊ እውን ቀጺሉዋ። ኣብ ገድሊ፡ ምሸት ምሸት ንጋንትኡ ብክራሩ የዘናግዖም ነበረ። ተጋደልቲ ካብ ዝተፈላለየ ቀጸላታት እቲ ሕብረተሰብ ዝመጽኡ እዮም። ኩሉ ዘዝክእሎ ይገብር ይጽሕፍ - ይደርፍ። ኣብ ገድሊ ኣይክእሎን ዝበሃል የለን። ኩሉ ይገጥም፣ ይዝይም፣ የኹድድ። "ፈቖዶ ጐቦታት ዝመጻእኹም ፍቓዱ ኰይኑ ተኣኪብኩም" እትብል ደርፊ ክሳብ ሎሚ ኣይርስዓን። ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ኣባል ከቢድ ብረት ኰይኑ። እቲ ኣብ ገድሊ ዝሕለፍ ሓርጎጽጎጽ ክንደይ ኢልካ ክትንተን። ምስ ብጾቱ እንባን ኩርባን ኣቋሪጹ፡ ቁርን ዛሕልን ጸይሩ፤ ምስ ሞት ተፋጢጡ 'ንሞት ገጢሙ ምስ ብጾቱ፡ መግዛእትን ተጻባእትን ስዒሩ ብዓወት ኣትዩ'። ኣብ 1982 ዓ.ም፡ ኣብ ሰሜናዊ ግንባር ሳሕል ምስ ሰራዊት ደርግ ኣብ ዝተኻየደ ከቢድ ኵናት ርእሱ ተሃሪሙ። ብሳዕቤኑ ክልተ ኣእጋሩን ክልቲኡ ኣእዳዉን ለሚሱ። ድሕሪ ነዊሕ ውልቃዊ ጻዕሩን፡ ሕክምናዊ ረድኤትን እኳ እንተሓወየ፡ የማነይቲ ኢዱ ግን ለሚሳ ተሪፋ፡ ከም ልቡ ኣይቈጻጸራን። 'ወትሩ ህዝባዊ ቃልሲ ምዕዋቱ ኣይተርፍን - ፍልስፍና ቃልሲ ከምኡ እዩ ዝብለ'። ኮይኑ ከኣ መግዛእቲ ደርግ ብ1991 ዓ.ም ኣብቂዑ፤ ተጋዳላይ ቢንያም ምስ እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ብጾቱ ንኣስመራ ኣትዩ። ክኣቱ እንከሎ ወዲ 28 ዓመት ጎበዝ እዩ ነይሩ። ምስ ህዝቡ ተራኺቡ፤ ወሰን ዘይብሉ ታሕጓስ ተጸንቢሉ። እንተኾነ ወላዲቱ፡ ወ/ሮ ምሕረት ንግሩ፡ ብሕማም ሽኮርያ ማሲነን ዓጽሚ ጸርየን ጸኒሐንኦ። ቢንያም ሓንቲ ሓፍቲ እያ ዘላቶ። ኣዲኡ በቲ እዋን "ጓለይ ሞተይ ክትርኢ ኣይደልንየ በጃኹም ውሰዱለይ" ብምባል ንስድራአንን ኣዝማደንን ስለዝተማሕጸና፡ ቤተሰብ ፈለማ ናብ ግሪኽ ብድሕሪኡ ናብ ካናዳ ወሲዶምዋ። ክሳብ ሎሚ ከኣ ኣብኡ ትነብር ኣላ። እንተኾነ እተን ሞታ ሰረራ ዝተባህላ ኣደይ ምሕረት ዳግም ህይወት ሰሪዐን ብድሕሪኡ እኳስ ኣርባዕተ ደቂ ወደን ርእየን ብ2011 ዓ.ም ዓሪፈን። ቢንያም ዮሴፍ፡ ፈለማ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ጋዜጠኛ ኰይኑ ኣገልጊሉ። ኣብታ ኣብ ቃልሲ ኣባል ቦርድ ምስንዳእ ኰይኑ ዝሰርሐላ ዝነበረ፡ መጽሄት ነጸብራቕ፡ ድሕሪ ዓወት እውን ኣዳላዊ ኰይኑ ሰሪሑ። ቢንያም ወላ እኳ ትምህርቱ ኣብ 9ይ ክፍሊ ኣቋሪጹ እንተነበረ፡ ኣብ በረኻ ነቲ ኣብ ከረን ጀሚርዎ ዝነበረ ጹቡቕ ክእለት ቋንቋ እንግሊዝ ንገዛእ ነብሱ ምሂሩ ኣማዕቢልዎ። "መዝገበ ቃላት ኢንግሊዝኛ-ኣምሓርኛ፤ ከምኡ እውን ታሪኽ ህይወት ቾኮቬራ አንብብ ነይረ" ብምባል ተዘክርኡ የካፍል። ብሰንኪ ማህረምቱ ካብ ሰራዊት ተኣልዩ ብ1986 ዓ.ም ናብ ክፍልታት ምስ ተወዘዐ ብዕሊ ስነ ጽሑፍ ጀሚሩ። "ኣብቲ ግዜ ኣብቲ ዝሰርሐሉ ዝነበርኩ ቤተ ንባብ ስለዝነበረ፡ ብዙሕ መጻሕፍቲ እየ ኣንቢበ። ይዝከረኒ ሽዑ ዝነበሩ መጽሓፍቲ ናይ በዓል ማክሲም ጐርኪ፣ ሊዮ ቶልስተይ፣ ዝኣመሰሉ እዮም ነይሮም" ብምባል ዝነበሮ ምሒር ፍቕሪ ምንባብ የዘንቱ። ቢንያም፡ ናብቲ ብሰንኪ ቃልሲ፡ ብምኽንያት ምግዳል ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ትምህርቲ፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ተመሊስዎ። ዝገበረ ገይሩ ክመሃር ስለዝነበሮ ኣብ መንጐ ዘረባ ሰሓቕ ዘይፍለዮ ቢንያም "ባጄላይ ኣደይ ኣጥፊኣቶ ኢያ ዶስ ገለመለ" ብምባል ነጢሩ 12 ክፍሊ ተመዝጊቡ፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ትምህርቱ ቀጸለ። ሃገራዊ ፈተና (ማትሪክ) ተፈቲኑ ድማ ብጽቡቕ ውጽኢት ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣተወ። ቀዳማይ ዓመት ወዲኡ ናብ ካልኣይ ዓመት ምስ ሰገረ፡ "ምምሃር ተጋደልቲ ስምዒታት ይፈጥር ኣሎ" ስለዝተበሃለ 400 ተጋደልቲ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ናብ ስራሕ ተመሊሶም። ሓደ ካብኦም ቢንያም እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ ውሳነ ከኣ፡ ኣካዳሚያዊ ትምህርቱ ኣቋሪጹ፤ ናብቲ ኣብ ደሙ ዝሰረጸ ፍቕሪ ስነ ጽሑፍ ምሉእ ብምሉእ ኣተወ። ብፍላይ ኣብ መጽሄት ነጸብራቕ ኣብ በረኻ እንከሎ ኣትሒዙ ብዙሓት ሓጸርቲ ልበ ወለድ ጽሑፋት ይጽሕፍ ምንባሩ ይዝክር። ብ1989 ዓ.ም "ግዳይ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ልበ ወለድ መጽሓፍ ደሪሱ ኣሰናዲእዋ። ደሓር ድሕሪ ክንደይ ሕልኽልኽ ብ1997 ዓ.ም ተሓቲማ ናብ ህዝቢ ቀሪባ። ደራሲን ጋዜጠኛን ቢንያም፡ ብ1996 ዓ.ም "ኣጣይሱኒ" ብምባል ካብ ገድሊ ብዕሊ ወጺኡ ሰቪላዊ ህይወት ጀመረ። ብድሕሪኡ ምሉእ ግዜኡ ኣብ መጽሓፍቲ ምጽሓፍን ምትርጓምን ከሕልፎ ወሲኑ፡ እቲ መንገዲ ግን ጥጡሕ ኣይነበረን። እንተዘይጽሒፉ ክነብር ዘይኽእል ቢንያም፡ ብ1997 ዓ.ም ኣብ ውልቃዊ ጋዜጣ ሌላ፡ ኣሰናዳኢ ኰይኑ ድማ ክሰርሕ ተቘጺሩ። ንዝተወሰነ እዋን ኣብታ ጋዜጣ ሰሪሑ። ብድሕሪኡ እታ ጋዜጣ ስለዘይቀጸለት ንሱ ድማ ናብ ስነ ጽሑፋዊ ህይወቱ ተመሊሱ ኣተወ። ግዜ እናተቐያየረ ከደ፡ 1998 ዓ.ም መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ስለዝተጓነጹ፡ ጻውዒት ክተት ተቐቢሉ ተመሊሱ ናብ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣትዩ ስራሕ ቀጸለ። ኣብቲ እዋን ዝተመስረተ ኣብ ዓመታዊ ውድድራት ስነ ጥበብን ስልማትን ዘድሀበ 'ራይሞክ' ንዝተብሃለ ትካል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብምዃን ተመዚዙ ክሳብ 2001 ዓ.ም ድማ ኣገልጊሉ። ሃገራዊ ግቡኡ ምስ ፈጸመ፡ ብድሕሪኡ ናብቲ ድቃስ ዝኸልኦ ፍቕሪ ስነ ጽሑፍ ድማ ተመሊሱ፡ ብ2002 ዓ.ም "መን ይፈልጥ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ተኸታታሊት ፊልም ጽሒፉ፤ ኣብ ኤሬ-ቲቪ ናብ ህዝቢ ቀረበት። ደራሲ ቢንያም ዮሴፍ፡ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ፊልም ትግርኛ፡ ንፈለማ እዋን ፊልም ኣኒሜሽን ዝተርጐመ ስነ ጥበባዊ እዩ። ብ2002 ዓ.ም 'ንጉስ ኣንበሳ' ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ተርጕሙ ኣቕሪቡ። ብ2004 ዓ.ም ነታ 'ግዳይ' ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘት ልበወለድ መጽሓፉ፡ ናብ 26 ክፋል ተኸታታሊ ፊልም ቴሌቪዥን ቀይሩ ኣሰናዲኡዋ ብ2008 ዓ.ም ናብ ህዝቢ ቀሪባ፤ ብህዝቢ ጽቡቕ ተቐባልነት ድማ ረኺባ። ነቲ ዝጀመሮ ስራሕቲ ትርጉም ኣጸቢቑ ብምቕጻል፡ ብ2005 ዓ.ም 'ኒሞ' ብዝብል ኣርእስቲ ዝተርጐማ ፊልም ኣኒሜሽን ኣሰናዲኡ ኣቕሪቡ። ስነ ጥበባዊ ቢንያም ነዚ ኹሉ ስራሕቲ ስነ ጥበብ ክሰርሕ እንከሎ፡ እዚ እዩ ዝበሃል ብዛዕባ ኣጸሓሕፋን ኣተኣላልያን ፊልም ብዕሊ ዝተመሃሮ ኣይነበረን፤ ብልሙድ እዩ ዝጽሕፍን ዝመርሕን ነይሩ። ብዛዕባ እዚ እንክዛረብ "ተመሊሰ ክርእዮ እንከለኹ ድፍረተይ ዘሰክሕ እዩ። ዝተመሃርክዎ ኰነ ዘንበብክዎ መጽሓፍ ኣሰነዳድኣ ፊልም ኣይነበረን። ብዛዕባ ፊልም መጽሓፍ ንምንባብ ብ2009 ዓ.ም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንዝቕመጥ ወዲ ሓትነይ፡ መጽሓፍ ለኣኸለይ ኢለዮ ልኢኹለይ፤ ብዝግባእ ኣንቢበ ንገዛእ ርእሰይ ብፍልጠት ኣዕጢቐ፤ ዓቕሚ እውን ኣጥርየ" ይብል። ኣሽንኳይ'ዶ መጽሓፍቲ ኣንቢቡን ተወሳኺ ፍልጠት ኣኻዕቢቱን፡ ብቐደሙ እኳስ ነቲ ብተፈጥርኡ ብልግሲ ዝረኸቦ ህያብ ጥበብ ኣማዕሪጉ ዘቕርብ ዝነበረ፤ ድሕሪ ንባብ ብዝበለጸ ምስራሕ ከምዝቐጸለ ይዛረብ። ብ2011 ሳልሰይቲ ፊልም ኣኒሜሽን ካብ ፈረንሳ ተርጕሙ 'ረሚ ኣንጭዋ' ብዝብል ኣርእስቲ ኣቕሪቡ። ኣብዛ ፊልም ተርጓምን ኣላዪን ብምዃን ሰሪሑ። ብ2013 ዓ.ም "ወይ ሰብ ደቀይ" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ ን15 ክፋል ዝቐረበት ተኸታታሊት ፊልም ቴሌቪዥን ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ። "እዚኣ፡ መጽሓፍ ኣንቢበን ዝያዳ በቒዐን ዝሰራሕክዋን ዝሕጎሰላን ፊልም እያ" ብምባል ፍሽኽታ ኣሰንዩ የውግዕ። ስራሕቲ ስነ ጥበባዊ ቢንያም ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኣብ ካቶሊካዊ ሃይማኖት ትሕዝቶ ዘለወን ኣርባዕተ ዓበይቲ መጽሓፍቲን 10 ንቈልዑ ዘገልግላ መጽሓፍቲን እውን ተርጕሙ ናብ ኣገልግሎት ዘብቀዐ ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ዝወነነ በዓል ሞያ ኢዩ። ስነ ጥበባዊ ቢንያም ዮሴፍ፡ ወላ እኳ ምጽሓፍን ምትርጓምን ኣየቋርጽ፤ ድሕሪ 2015 ዓ.ም ግና ናብ ህዝቢ ዘቕረቦ ስራሕ ኣይነበረን። ስራሕቱ ኣብ ልቡ ጥራሕ እንተይኰነስ ኣብ ወረቐት እውን የስፍር ኣሎ። ኣብ ኢዱ "መላጸ" ዝብል ግዚያዊ ኣርእስቲ ዝሃቦ ጽሑፍ ፊልም ተወዲኡ ንስራሕ ተቐሪቡ ኣሎ። ፊልም ኣኒሜሽን ድማ ብስፍሓት ይትርጉም'ሎ። ስነ ጥበባዊ ቢንያም ዮሴፍ "ኣብ ስነ ጥበብ እቲ ዝዓበየ ማሕለኻ 'ኣይትስራሕ' እዩ" ይብል። ቢንያም ኣቦ ሓንቲ ጓልን ሰለስተ ኣዋዳትን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ምሉእ ስድራኡ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ይነብር ኣሎ። "ኣንበጣ እኽሊ ወዲኡ ኣብ ዓይኒ ሰብ ክዓርፍ ጀሚሩ"፡ ሓረስቶት ራያ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ናብ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝኣተወ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ልዕሊ ዘራእትን እጽዋትን ዘውርዶ ሃስያ ከቢድ ኮይኑ'ሎ። ኣብቲ ከባቢ ጸሓይ ክሳብ እትዓርብ ብርቱዕ ድምጺ ጥሩምባ፣ ርችት፣ ጭጉራፍን ካልእ ድምጺ ዘውጽኡ ነገራትን ልዕሊ ዝኾነ ነገር እዩ ዝስማዕ። ንዓመት መመላእታ ክሓርሱን ከለሳልሱን ጸኒሖም ማለፊያ ምህርቲ ክሓፍሱ ሃንቀው ዝብሉ ዝነበሩ ገባራት፡ ኣብ ልዕሊኦም ኲናት ምስ ዝኸፈተ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ክገታገቱ ሳእኖም ካብ እግሮም ከይወጽአ፣ ዝደረቡዎ ዓለባ'ውን ካብ ዝባኖም ከይወረደ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ በረኻ ሰፊሮም። እንተኾነ፡ እቲ መጺኡ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ከምቲ ካልእ እዋን ብዝርብሽ ድምጺ ጸረውረው ኢሉዎ ቀልጢፉ ዝሃድም ዘይኮነ፡ ኣብ ግራት ዓዲ ኣቡኡ ዘሳፍሐ ክሳዕ ዝመስሎ ብዘይስኽፍታ ዳርጋ ምሉእ ዓመት ዝተርሃጸሉ ፍረ ዝምጩልፍ ከርሳም እዩ ኮይኑ ዘሎ። ነዚ ርእየን ኣብ መሬት ተስፋ ዝስኣና ኣዴታት ራያ፡ ርእሰን ናብ መሬት ቀቢረን፣ ኣእዳወንን ኣእጋረንን ክሳብ ዝልሓጽ "ምእንተ ቖልዑ" ግደፈና እናበላ ይልምና ኣለዋ። "ማእገር ህዝብና ባዕልና" ዝበሉ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ትግራይ'ውን ዓቕሞም ዘፍቀዶ ንምሕጋዝ ምስ ኣንበጣ ክጓየዩን ኣብ በረኻታት ክሓድሩን ይርኣዩ። ኣብ ደገ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ'ውን ገንዘብ ብምትእኽኻብ ነቲ ሰናይ ዘመን ርእዩ ተስፍኡ ዝተመንዝዐ ህዝቢ ንምሕጋዝ ይጽዕሩ ኣለው። ሓረስቶት ግን፡ ደጊምስ "ተስፋ ቖሪጽና" ይብሉ ኣለው። ሰለስተ ዛንትኦም ዘካፈሉና ሓረስቶት ኣለው። ሓረስታይ ንጉስ ሲሳይ ወረዳ ጨርጨር፡ ጣብያ ሓድሽ ቅኒ ቑሸት ላዕላይ ጉባጋላ ወዲ 50 ዓመት መራሒ ስድራ'የ፤ ምስ ርእሰይ ሸውዓተ ኣባላት ስድራ ኣለውኒ። ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ስለ ዝኾኑ፡ ነቶም ክልተ ሒዘ ብለይቲ እናወፈርኩ ኣብዚ ዓመት ጽቡቕ ምህርቲ ንክረክብ ብዙሕ እየ ለፊዐ። ኣብ ሞንጎ ትምህርቲ ስለ ዝተዓጸወ ድማ እቶም ንኣሽቱ ጥሪት ብምጉሳይ፡ በዓልቲ ቤተይ'ውን ዘርእና ብባልዕን ጻህያይን ከይውረር ብምክትታል ኩላትና ተሓጋጊዝና ጽቡቕ ክኾን ገይርናዮ። እዛ ናትና ቑሸት 500 ሓረስታይ ኣለዋ፤ ኣነ ድማ 251 ሄክታር መሬት ኣለኒ። ኣብዚ ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት (ዝሓለፈ ዓመት 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ሓሪሰን ኣለስሊሰን ጣፍ፣ ምሸላ፣ ዓይኒ ዓተርን ስገምን ዘሪአዮ። ክራማት ብሓምለ ድንጉይ ኢሉና ጸኒሑ፤ ብነሓሰ ግን ሸጋ ክራማት ስለ ዝሃበና ወዮ ናብራ ሓረስታይ ደስ ኢሉና፤ ጽቡቕ ተስፋ ሂቡና ነይሩ። ነዚ ርእየ ካብ ሓደ ሄክታር ክሳብ 80 ኩንታል ዝኸውን ማሽላ፣ ክሳብ 40 ኩንታል ዝበጽሕ ድማ ጣፍ ክሳብ ክረክብ እየ ዝብል ተስፋ'ኳ እንተነበረኒ፡ ሐዚ ግን ኹሉ ግን ብኣንበጣ ተበሊዑ'ዩ። ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ክሳብ ሐዚ ሓረስታይ ምህርቱ ሓሰኻ ከይበልዖ ጸረ ባልዕ እናነጸገ፣ ጻህያይ ከይወሮ ጸረ ጻህያይ እናተጠቐመ ተጠንቂቑ ይሕልዎ ነይሩ። ኣብቲ ከባቢና ቡኒ ዝብሃል ጣፍ፣ ጅጉርቴ ዝብሃል ማሽላ ስለ ዘለና፡ ካብ ጥቅምቲ እዚ ኣመት ኣትሒዝና ሓሲና ክንበልዕ ኢና እናበልና ተስፋ ገይርና ከነብቅዕ፡ እቲ ሓረስታይ ነዛ ተስፋ'ውን ካብ መሬት ስኢኑዋ። ብብዕራይ ይኹን ብቴክኖሎጂ ተሓጊዝና ሓያል ጉልበት ዘውፈርናሉ፣ እዚ ጣፍን ማሽላን ብሰላም እንተኣቲው ንብዙሕ ዓመትት ዝኽእል ምህርቲ ክርከብ እዩ እናተባህለ ኩሎም ኣመራርሓ እናመጽኡ ዝርእዩዎ ዝነበሩ ምህርቲ ካብታ ግራት ከይወጽአ ጠፊኡ። እዚ ኩሉ ሓረስታይ ዝተረፎ ነገር የብሉን፤ ኣነ'ውን ኣብ ኣስታት 251 ሄክታር ዝነበረኒ ማሽላ፣ ጣፍ፣ ስገም ኩሉ ዓንዩ። እዚ ኣንበጣ ኣብ ማሽላ፣ ሽምብራ፣ ስገም ካርና ጸገም ኣብጺሑልና፤ ኮታ ብዙሕ ጸገም በጺሑና ኣሎ። ገና ናባና ከይኣተወ ከሎ ብዓፋር ገጽ እዩ ክመጽእ ንዳሎ እናበልና እናመኸርና ክንሕልዎ ኢና ጸኒሕና። እንተኾነ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝኣተወ ዕስለ፡ ሓያል ስለ ዝኾነ ዝገበርና እንተገበርና ክንቆጻጸሮ ኣይክኣልናን፤ ዝተወሰነ ናብ ኣላማጣ ዝተወሰነ ሓደ ሓደ ገመድ ዝተረፎ እንተሃለወ እምበር ናትና ግን ኩሉ ስኢኑ እዩ። ግራትኩም ሓልዩ ክብሃል ከሎ ተወዲብና ብጥሩምባ፣ ብሓይታ፣ ብጭጉራፍ ክልተ ግዜ ኣባሪርናዮ። ንሳልሳይ ግዜ ዝመጸእ ዕስለ ግን ሓያል ወራር ገይሩ ክንከላኸሎ ኣይክኣልናይ። እቲ ኣንበጣ ዘይተንከፎ እኽሊ የለን፤ ኣብ ኩሉ እዩ በጺሑ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ዝባን ሰብን እንስሳን ክዓርፍ ጀሚሩ። ናይ ሰብ ዓይኒ እናወቕዐ ነይሩ። ድሕሪ ሐዚ እንታይ'ሞ ክግበር? መቸስ፡ ብእግዚኣብሄር ተስፋ እኒአና፤ ጸሎት ክንገብር እምበር እንታይ'ሞ ክንገብር? ሐዚ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣንሽቲ እየን ተሸጊረን ዘለዋ፤ ቤተክርስቲያን እናኸዳ ዝምህለላ፣ ክንጠሚ ዲና? እዚ ጣፍ፣ እዚ ምሸላ እንተተበሊዑ ድሕሪ ሐዚ ናበይ ኢና ንኸድ? እዚ ጣፍ፣ እዚ ምሸላ እንተተበሊዑ ድሕሪ ሐዚ ናበይ ኢና ንኸድ? እናበላ ይጭነቓ ኣለዋ። በዓልቲ ቤተይ ክትጸናንዐለይ ኣይክኣለትን። ዳሕና ዝነበራን ኣብ ሰሙን ኩለን ዓቢረን፣ ጸሊመን፣ ተስፋ ስኢነን። እቲ መንእሰይ ቀደሙ'ውን ተጨናቒ'ዩ፤ ሐዚ ከኣ ብኢሱዎ ተስፋ ቖሪጹ ኣሎ። ጓል ኣንስተይቲ ሓረስታይ ብሪ ሓየሎም ኣነ'ኳ በታ ዓቕመይን ትሕዝቶይን ኣብ ፍርቂ ሄክታር መሬት ጣፍን ምሸላን ዘሪአ ነይረ። እንታይ ዋጋ ኣለዎ፡ ኣንበጣ ኣቸጊሩና ሐዚ ኩሉ ይጥቃዕ ኣሎ። እቲ መጺኡ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ኩሉ ብዓቕሙ ይሳተፍ'ኳ እንተበሃለወ ኣንበጣ ኣሸኒፉዎ። ክሳብ እዛ እለት፡ ኣብ በረኻ ብጻምእን ጥምትን ነቲ ኣንበጣ ከነባርር ኢና ንውዕል፤ ሰብ ግን ተሰላችዩ። ኣመጻጽእኡ በዚሑ ኩሉ ደኺሙዎ። ድሕሪ ሐዚ እንታይ ከም እንገብር ኣይንፈልጥን። ዘራእትና ከይንዓጽድ ገና ኣይበጽሐን፤ ኣጓጉል እዩ ዘሎ። ምስ ማዩ ሸዊት እዩ ዘሎ። በቃ ግራተይ በዚ ኣንበጣ ተበሊዑ እንተተወዲኡ ምስ ደቀይ ክጠሚ'የ። 'ናይ ኣንበጣ ኲናት መጺኡና' ሓረስታይ ሲሳይ ስዩም ኣብ ወረዳ ረያ ጨርጨር ነባሪ ጣብያ ሓድሽ ቅኚ'የ። ኣላዪ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራ እየ። ኣብዚ ዓመት ጽቡቕ ኣዝመራ ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ምህርቲ ክንሓፍ እሞ ሰናይ ዘመን ከነሐልፍ ኢና ዝብል ሰማይ ዝዓረገ ተስፋን እምነትን ነይሩኒ። ኣብታ ሓደ ሄክታር መሬተይ ድማ ጣፍ ይኹን ምሸላ ዘሪአ ጽቡቕ ምህርቲ ከእቱ ይጽበ ነይረ። 11 ወርሒ ሙሉእ እየ ለፊዐ። እቲ ዘራእቲ ብጻህያይን ባልዕን ከይጠፍአኒ ዝሓለፍኩዎ ኣነ እየ ዝፈልጦ። ቅድም ኢሉ 20 ኩንታል ዝህበኒ ዝነበረ መሬት ሎም ዘበን እንተውሓደ 30፤ እንተበዚሑ ድማ 40 ኩንታል ምህርቲ ክረኽበሉ እየ ብዝብል ብርከይ ከይዓጸፍኩ፣ ሑቐይ ኣጉቢጠ ምስ መሬት ተቓሊስ፤ መሬተይ እናገደብኩን እናልማዕኹን ከሪመ። ካብታ ሄክታር ናብ 20 ኩንታል ዝጽጋዕ ጣፍ፣ ካብታ ፍርቂ ድማ 15 ኩንታል ማሽላ ክረክብ እየ፤ በዚ ንስድራይ ዓንጊለ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪበ ክርባሕ እየ ብዝብል እየ ጽዒረ። ይኹን'ምበር፡ ሃንደበት ኣንበጣ መጺኡ ጸገም ፈጢሩለይ፤ ኩሉ ነገር ከም ዘይነበረ ኣባዲሙለይ። ካብታ ፍርቂ እዚ ዝኣክል፣ ካብታ ፍርቂ'ውን ክንድ'ዚ ክረክብ'የ ኢለ መደብ ኣውጺአ ልበይ መሊኡለይ ምህርቲ ከእቱ ኣብ ዝጽበየሉ እዋን ኣንበጣ መጺኡ ንኹሎም ተስፋታተይ መንጢሉኒ። ኣነ ሓደ ሄክታርን ፈረቓን መሬት'ዩ ዘለኒ። ርብዒ ትኸውን ተሪፋትኒ እምበር ዝሓዝኩዎ የብለይን። ክሳብ ሐዚ ብእንርእዮ ግን ልዕሊ 150 ሄክታር ጣፍ፣ ናብ 100 ሄክታር ዝጽጋዕ ዕፉን፣ ብተወሳኺ'ውን ሽምብራ ኣዕኒዩልና እዩ። እቲ ኣንበጣ ወሪሩና እዩ። ብሓይሊ ሰብ ዝውጻእ ወራር ኣንበጣ'ውን ኣይኮነን መጺኡ ዘሎ። ደጊም፡ ተስፋ ቖሪጽና ከፍ ኢልና ኣለና። ኣዴታት ተስፋ ቖሪጸን፤ ኣንሽትና ጸልሚቱወን። ናይ ኣንበጣ ኲናት መጺኡና ብምንታይ ኢና ክንዕንገል? ኣብ ዕዳጋ ዝሽመት ክርከብ ድዩ? እናበላ ይጭነቓ ኣለዋ። ግንከ ሓደ ሻብ ዝሞተ ነገር ኣይልዓልን'ሞ፡ ንድሕሪ ሕዚ ካብዚ ትምህርቲ ክንወስድ እዩ ዝግባእ። ናብራ ምስ ሕማም ኣልዛይመር ከም ሓበሬታ 'ማሕበር ኣልዛይመር'፡ ልዕሊ45 ሚልየን ሰባት ብሕማም ሳሕቲ ሓንጎልን ረሲዕን (ኣልዛይመር) ዝተተሓዙ ሰባት ኣብ ዓለም ይርከቡ። ሕማም ረሲዕ ማለት እውን ኣልዛይመር፡ ቀንዲ ምኽንያት ምስሓት ሓንጎል እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከብ ሰብ ዘጥቅዕ ሕማም እንተኾነ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ግና ኩሉ ግዜ ነዚ ሕማም ዝተቓልዑ እዮም። በዓል ሞያ ፎቶግራፍ (ሰኣሊት) ሊያ ቢች፡ ኣብ ኬንያ ተዘዋዊራ እቲ ሕማም ዘብፅሖ ሳዕቤን ኣብ ብዓይኒ ካሜርኣ ስኢላ ኣላ። እዘን ኣደ፡ ኣብ ናይ ስድርአን ሓንቲ ፀባብ ክፍሊ እየን ዝነብራ። ስድረአን ክጠፍኣ ወይ ድማ ኣብ መንደር እናኾብለላ ክውዕላ እየን ብምባል፡ ኣብ ገዛ እዮም ዝቑልፍወን። እዚ ማለት ድማ" ምስ ማንም ሰብ ክዛረባን ክረዳድኣን ኣይኽእላን። ኣብኣ ንእሽተይ ምክዊሮ ትበሃል መንደር፡ እዞም ኣብዚ ስእሊ እትርእይዎም ኣቦ ናይ ነዊሕ ግዜ መሓዝአን እዮም እሞ፡ ዋላ እኳ እዘን ኣደ እንተዘይዘከርኦም፡ ኩሉ ግዜ እናመፁ ይሓትወን። እዛ ንእሽተይ መንደር ሚክዊሮ፡ ካብ ስየ ብዝስርሑ ውፅኢት ኢደ ጥበብ ዝተፈለጠት እያ። እዘን ኣደ ድማ በዚ ስራሕቲ ጥበብ ስየ ወሓለ እየን። ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፡ እዚ ስራሕቲ ባህላዊ ጥበብ ዘምህርአን እውን፡ እዘን ኣደ እየን። ይኹን እምበር ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ፡ ኣሰራርሕኡ እናረሰዕኦ ስለዝኾና ድሕሪ ሕዚ ምስራሕ ዘይምኽኣለን ኣዝየን እናተጨነቓ እየን። እዞም ክልተ ሰባት፡ ኣብ ከባቢኦም ስሙያት እዮም። እዞም ወላዲ ኣብቲ መንደር፡ ከም ዓብይ ኣያ እዮም ዝረኣዩ። በዓልቲ እንድኦም ድማ ንዕኦም ብምሕብሓብ፣ ክዳኖም ብምኽዳንን፡ ኣብ መዓልታዊ ውዕለኦም ነገራት ክዝክሩ ብምሕጋዝን፡ ብፅሒተን ይፍፅማ። ዋላ እኳ ነገራት ምዝካር ከም ዘይኽእሉ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ሐዚ እውን ግና ብኽብሪ እዮም ዝተኣናገዱ። እዘን ኣደ ናይ ቀደም በዓል ገዝአን፡ ካሊእቲ ሰበይቲ ካብ ዝምርዓዉ ንነዘ፡ ደቀን እናሓብሐብአን እየን። ሐዚ ግና ቀስ ብቀስ ናይ ምዝካር ክእለተን እናጠፍአ ብምምፅኡ፡ ንነዊሕ ግዜ ገዲፈንአን ክኸዳ ዝግደዳ ደቀን፡ ገዲፈንእን ከይጠፍኣ ይጭነቓ። እዘን ኣደ እዚአን ከኣ፡ ኣብቲ ከበባቢ ካብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብዕድመ ድፍእ ዘበላ እየን። እዞም ቀፂሎም ዝርኣዮ ሽማግለ ድማ፡ ሙሉእ ዕድመኦም ዓሳ ብምፅማድ ንዝመሓደሩ ስድርኦም፡ ዓንዲ ሑቐ ቁጠብኦም እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ካብ ቀረባ ግዜ ንነዘ ዓሳ ከመይ ምፅማድ ከምዝከኣል ስለዝረሰዕዎ፡ ዓዲ ውዒል ኮይኖም እዮም። ዝከታተሎም ሰብ እንተዘይሃልዩ ድማ፡ ኣብቲ መንደር ይጠፍኡ፡ ሸኽሚ ስድርኦም ካብ ምዃን ድማ ምሟት ከምዝመርፁ ይዛረቡ። እዘን ኣደ እዚአን ድማ ብሓፍተን ይሕብሐባ። በብመዓልቱ ኣብ ባሕሪ ዝቦቕል እፅዋት ነቲ መንደር ይእክባ ነይረን። ሐዚ ግና፡ እቲ እፅዋት ከመይ ከም ዝእከብ ኣይፈልጣን። ኣብ ባሕሪ ዝኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ከየጋጥመን ብምስጋእ፡ ስድርአን ዓዲ ውዒል ከይገብርወን ይፈርሓ። እዞም ኩሎም ስእልታት ብሊያ ቢች ዝተስኣሉ እዮም። 'ማሕበር ኣልዛይመር' መስራቲ ኣባል 'ዓለም ለኽ ጥምረት ኣልዛይመርን (ረሲዕ) ዲሜንሽያን (ሳሕቲ ኣእምሮ) እዩ። ኬንያታ፡ ንሓድሽ ፕረዚደንት ሩቶ ንፈለማ እዋን 'ዮሃና' ኢሉ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ንዝተዓወተ ዊልያም ሩቶ ንፈለማ እዋን እንቋዕ ደስ በለካ ክብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ። ኣብቲ መረጻ ንገዲም ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ዝገደፈ ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ሎሚ ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ቃለ መሓላ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ከም ዝሳተፍ’ውን ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዚደንት፡ ትማሊ ዓበይቲ ዓወታት ዘመነ ስልጣኑ ዝምልከት መብርሂ ሂቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ንውጽኢት መረጻ ብዝተኣሳሰር ንዝቐረበሉ ሓያለ ጥርዓናት ነጺጕ፡ ነቲ ብኮሚሽን መረጻ ኬንያ ዝተገልጸ፡ ዕዉት ተመራጺ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዝዀነ ኣጽዲቑ’ዩ። ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓለን 10 ዓመታት ሃገሩ ለውጢ ከም ዘምጽአት ብምግላጽ፡ ተካኢኡ ዝተፈለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እንተሃለዎ’ውን ንዅሉ ኬንያዊ ብማዕረ ንኸገልግል ኣተሓሳሲቡ። ኬንያታ፡ ኣብ እዋን መሪሕነቱ ካብ ዘመዝገቦም ዓበይቲ ዓወታት፡ ማእከላይ ስልጣን ናብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ክከፋፈል ምግባር ከምኡ’ውን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣባል ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትከውን ምግባር ዝብሉ ጠቒሱ። ሎሚ 13 መስከረም 2022 ንዝፍጸም ጽንብል ምስግጋር ስልጣን ክከታተል ዝተመደበ ጕጅለ፡ ኣብቲ ስነስርዓት ቃለመሓላ፡ መራሕቲ ልዕሊ 20 ሃገራት ዕድመ ከም ዝተገብረሎም ገሊጹ። ብነፋሪት፡ ንብሕቱ ዓለም ዘይሩ ክብረወሰን ዝሰበረ ወዲ 17 ዓመት ዜግነት ብሪጣንያን ቤልጅምን ዘለዎ መንእሰይ ማክ ሩተረፎርድ፡ ንእሽቶ ነፋሪት ኣብሪሩ ዓለም ብምዛር ክብረወሰን ሰይሩ ኣሎ። ማክ፡ በዛ ንእሽቶ ነፋሪት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ንብሕቱ ብምብራር ኣብ 52 ሃገራት በጺሑ'ዩ ተመሊሱ። እዚ ኣብ ብሪጣንያ ተወሊዱ ኣብ ቤልጅም ዝዓበየ መንእሰይ፡ ጕዕዞኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ቡልጋርያ ጀሚሩ ኣብ ቡልጋሪያ እዩ ዛዚሙ። ይዅን’ምበር፡ ብርክት ዝበሉ ሓደጋታት የጓንፉዎ ከም ዝነበሩ ኣይሓብአን። ንኣብነት፡ ኣብ ሱዳን ህቦብላ ሓሸዋ ከም ዘጋጠሞ፡ ኣብ ፓስፊክ ውቅያኖስ ድማ ሓደ ለይቲ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ከባቢ ከም ዘሕለፎ ተዛሪቡ። ሓፍቱ ዛራ’ውን፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ዓለም ንብሕታ ነፋሪት ብምብራር ዓለም ዝዞረት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ መንእሰይ እያ። ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት ዓለም ዘይራ ምስ ወድአት፡ ንንእሽቶ ሓዋ ማክ ተመኵሮኣ ከም ዘካፈለቶ ገሊጻ። ቅድሚ ሕጂ፡ ትራቪሰ ሉድሎው ዝተባህለ ን150 መዓልታት ዝተጓዕዘ ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ ነዚ ክብረወሰን ሒዙ ጸኒሑ። እቲ ሕጂ ሓድሽ ታሪኽ ዘጽሓፈ ማክ ድማ፡ “ሕልምኹም ዋላ ሓደ ደው ከብሎ ኣይግባእን” ክብል ንመናእሰይ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። ማክ፡ ኣብዚ በረራ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኤስያን ከምኡ’ውን ክልቲኦም ውቅያኖሳት በጺሑ። ኣብዚ በረራ፡ ኣዝዮም ምዕሩጋት ቦታታት ኢሉ ካብ ዝጠቐሶም ከባቢታት ሃገራዊ ሕዛእቲ ኬንያን ሰማያት ከተማ ኒውዮርክን እዮም። እዚ መንእሰይ፡ ኣብ ቀጻሊ’ውን ነፋሪት ከም ዘብርርን ኣብ ሓይሊ ኣየር ክጽምበር ድሌት ከም ዘለዎን ተዛሪቡ። ማክ፡ ዘብረራ ንእሽቶ ነፋሪት ሻርክ ተባሂላ እትጽዋዕ ኰይና፡ ኣብ ሰዓት 300 ኪሎ ሜትሮ ናይ ምብራር ዓቕሚ ኣለዋ። እዚ መንእሰይ፡ ቈልዓ ሰለስተ ዓመት እንከሎ ኣብራሪ ክኸውን ድሌት ከም ዝሓደሮን ኣብ መበል 15 ዓመቱ ነዚ ሕልሙ ዘዐውት ፍቓድ ኣብራርነት ከም ዝረኸበን ይገልጽ። ስድራ ማክ፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ኣቪየሽን ዘለው እዮም። ኣቦኡ ሩተርፎርድ ሞያዊ [ፕሮፈሽናል] ኣብራሪ ኰይኑ፡ ኣደኡ ቢያትሪስ ድማ ኣብራሪት ነፋሪት ብሕቲ እያ። ኣቦ ሓጎታቱ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብረርቲ ነፈርቲ ነይሮም። ክልተ ስሙያት ፖለቲከኛታት ዝተሓናነቕሉ መረፃ ኬንያ ናበይ የምርሕ? ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ንሃገራዊ መረፃ ድምፆም ዝሃቡ ኬንያውያን፡ ነቲ ውፅኢት ብሃንቀውታ ይፅበዩ ኣለዉ። ቆፀራ ድምፂ ይካየደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ፕረዝደንት ኬንያ ንምዃን ዝቐረቡ ሕፁያት ብፀቢብ ኣፈላላይ ድምፂ’ዮም ዝነሓንሑ ዘለዉ። ኣብ ኣፍሪቃ ፅኑዕ ቁጠባ፣ ስርዓት ፍትሕን መረፃን ከምኡ’ውን መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ ሞንጎ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኣብ ዝኾነት ኬንያ ናይ ዝካየድ መረፃ ውፅኢት ካብታ ሃገር ሓሊፉ፡ ኣብታ ኣህጉር ልዑል ኣቓልቦ’ዩ ዝረክብ። ኣብዚ መረጻ 22 ሚልየን ህዝቢ ከድምጺ ክምዝገብ እንከሎ፡ 14 ሚሊዮን ህዝቢ ጥራይ'ዩ ድምጹ ሂቡ። መረጽቲ፡ ንፕረዝደንት ሓዊሱ፣ ኣማሓደርቲ ግዝኣታት፣ ኣባላት ሃገራውን ከባብያውን ባይቶ ንምምራፅ ድምፂ ሂቦም። ካብዚኦም ዓብይ ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ግና፡ ነታ ሃገር ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ብፕረዝደንትነት ንምምራሕ ዝግበር ንሕንሕ እዩ። እዚ ኣብ ሞንጎ ኣብዚ እዋን ምክትል ፕረዝደንት ኬንያ ዘሎ ዊልያም ሩቶን ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ራይላ ኦዲንጋን ዝህሉ ንሕንሕ ከቢድ ከም ዝኾን ኣቐዲሙ እውን ተተንብዩ’ዩ ነይሩ። ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዘሎ ንሕንሕ ጎንፂ ከየስዕብ ስግኣት ብዙሓት ኰይኑ፡ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ግና እዚ እዩ ዝበሃል ጎንፂ ኣየጋጠመን። ድምፂ ተዋሂቡ ምቑፃር ድምፂ ካብ ዝጅመር ካልኣይ መዓልቲ እኳ እንተቑፀረ፡ ራይላን ሩቶን ካብ መረፅቲ ብዝረኸብዎ ድምፂ ልዕልነት ክሕዙ ኣይከኣሉን ዘለው። ኣብዚ መረፃ ካብ ሞንጎ ዘድመፁ፡ ዋላ’ኳ ልዕሊ ፍርቂ እንተተቖፀረ፡ ኣብ ሞንጎ እዞም ሕፁያት ዘሎ ኣፈላላይ ፀቢብ ብምዃኑ፡ ሚልዮናት ኬንያውያን ንናይ መወዳእታ ውፅኢት ብሃንቀውታ ይፅበዩ ኣለዉ። እንተኾነ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት እንታይ ዓይነት ኩነታት ክፍጠሩ ይኽእሉ ኢልና ንጽበ? እቲ ፈላማይ ኣብቲ መረፃ ልዑል ድምፂ ብምርካብ ግልፂ ሰዓራይ ክህሉ’ዩ። በዚ ድማ እቲ ተዓዋታይ ወግዓዊ ክኸውን’ዩ። እዚ ማለት፡ ካብቲ ዝተውሃበ ሓፈሻዊ ድምፂ ልዕሊ ፍርቂ እንተውሓደ ካብ 47 ግዝኣታት እታ ሃገር ኣብ 24 ግዝኣታት ዝተውሃበ ድምፂ፡ 25 ሚእታዊት ምርካቡ ምስ ተረጋገፀ እዩ። እዚ ከኣ ኣካትዓይ ዘይዀን እንትኾን፡ ካልኦቶም ድማ ንሕፁያት ተወዳደርቲ ኣሚኖም ክቕበሉ ኣለዎም። እቲ ተዓዋታይ ብቐሊሉ ብቐጥታ ዝፍለይ እንተዀይኑ፡ እቲ ውፅኢት ወግዓዊ ምስ ኰነ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዘላ ፈላመይቲ ሰሉስ ስልጣን ፕረዝደንትነት ንምርካብ ቃለ መሓላ ይፍፅም። እቲ ካልእ ትፅቢት ዝግበረሉ ድማ፡ እቲ ተዓዋታይ ብኮምሽን መረፃ ወግዓዊ ምስ ኮነ ብቤት-ፍርዲ ኣካትዓይ ዝዀነሉ ኩነታት’ዩ። እቲ ውፅኢት ኣካትዓይ’ዩ እንተድኣ ተባሂሉ፡ እቲ ኮምሽን ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ቅረታ ዘለዎ ኣካል ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ናብ ቤት-ፍርዲ ጥርዓን ከቕርብ ኣለዎ። ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ከኣ ቅረታ ምስ ቀረበ ኣብ ውሽጢ 21 መዓልታት ውሳነ ክህብ ግድን ይኸውን። ቤት ፍርዲ፡ ብዝህቦ ብይን ነቲ ውፅኢት ከፅንዕ ወይ ውድቂ ክገብር ይኽእል። ነቲ ውፅኢት እንተድኣ ውድቂ ገይርዎ፡ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ሓድሽ መረፃ ንኽካየድ ብይን የሕልፍ። ካልእ ካብዚ ውፅኢት መረፃ ትፅቢት ዝግበር፡ እቲ ኮምሽን ተዓዋታይ ፕረዝደንት ወግዓዊ ይገብር፤ እንተዀነ ሕፁይ ፕረዝደንት ስዒረ’የ ኢሉ ናብ ቤት-ፍርዲ ንምኻድ ፍቓደኛ ኣብ ዘይኾነሉ ግዘ’ዩ። ብመሰረት እዚ እቲ ዝተመረፀ ፕረዝደንት ቃለ መሓላ ክፍፅም ይግበር። ይኹን’ምበር ኣብዚ ዝተሓላለኹ ነገራት ክስዕቡ ይኽእሉ። ከምቲ ኣብ 2007 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ መረፃ ስዒቡ ዝተፈጠረ ፖለቲካውን ዓሌታውን ጎንፂ ህይወት ብዙሓት ዝበልዐ ቅልውላው እውን ክስዕብ ይኽእል። እቲ ካልእ ትፅቢት ዝግበረሉ ነገር ድማ ግልፂ ሰዓራይ ዘይምህላው እዩ። እዚ ማለት ሕፁያት ተወዳደርቲ፡ ልዕሊ ፍርቂ ድምፂ መረፅቲ እንተ ዘይረኺቦምን፡ እንተውሓደ ካብ 47 ግዝኣታት ኣብተን 24 ካብ ዝተውሃቡ ድምፅታት 25 ሚእታዊት እንተዘይረኺቦምን ማለት’ዩ። እዚ ዝፍጠር እንተዀይኑ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ሕፁያት ካልኣይ ዙር መረፃ ክካየድ ኣለዎ። እዚ፡ ፈላማይ መረፃ ምስ ተኻየደ፡ ድሕሪ 30 መዓልታት እዩ ዝካየድ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ሕዚ ሕፁይ ራይላ ኦዲንጋን ኣዝዩ ብዝተቐራረበ ድምፂ ክነሓነሑ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ኬንያታ ከም ዝተዓወተ ወግዓዊ ኮይኑ። ይኹን’ምበር ኣብቲ ውፅኢት ሕቶታት ስዒቦም፡ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ደገፍቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ኣደባባያት ወፅዮም፡ ጎንፅታት ተኸሲቶም ነይሮም። እቲ ተዓዋታይ ልዕልነቱ እንትገልፅ፡ እቲ ዝተሰዓረ ከኣ ምትላል ተፈፂሙ ብምባል ነቲ ውፅኢት ብምንፃጉ፡ እታ ሃገር ኣብ ወጥሪ ክትኣቱ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ። ፖለቲከኛታት እቲ ዘይምርግጋዕ ክሃድእ ንደገፍቶም እንትሓቱ፡ ኣብቲ መረፃ ኣነ እየ ተዓዊተ ዝበለ ራይላ ኦዲንጋ ድማ ጥርዓኑ ናብ ቤት-ፍርዲ ወሲድዎ። ኬንያ ኣለኒ ኢላ ካብ ትምከሐሎም ሃገራዊ ትካላት ሓደ ዝኾነ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ፡ ንዝቐረበሉ ጥርዓን ሃንቀውታ ክሳብ ዝፈጥር ድሕሪ ምክትታል ብይን ኣሕሊፉ። እቲ ቤት-ፍርዲ ካብ ክልቲኦም ወገናት ንዝቐረበሉ ጥርዓንን መረዳእታታትን ድሕሪ ምምርማር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዝደንት ዝተዓወተሉ ውፅኢት መረፃ ውድቂ ብምግባር፡ እቲ መረፃ ክድገም ፈሪዱ። ኣፍሪቃን ዓለምን ነቲ ብይን ንኢደሞ፤ ዓወቱ ተኣዊጁ ዝነበረ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ’ውን ንውሳነ እቲ ቤት-ፍርዲ ተቐቢሉ ንዳግማይ መረፃ ክዳሎ ጀሚሩ። ኣብ ሓፂር ግዘ ውሽጢ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ መረፃ፡ ሕዚ ንካልኣይ ግዘ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዘበነ ስልጣኑ ዛዚሙ ይሰናበት ዘሎ ኡሁሩ ኬንያታ ዳግማይ ከምዝሰዓረ ተረጋጊፁ። ይኹን’ምበር ራይላ ኦዲንጋ፡ ውፅኢት ካልኣይ ዙር መረፃ’ውን ብዘይ ምቕባል፡ ሕጋዊ ፕረዝደንት ኣነ’የ ብምባል ብወግዒ ቃለ-መሓላ ክሳብ ምፍፃም በፂሑ ነይሩ። ደሓር ግና ኡሁሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን ተቐራሪቦም ሰላም ብምምፃእ፡ ሕዚ ክሳብ መሻርኽቲ ምዃን በፂሖም። ኣብዚ ናይ ሎሚ መረፃ፡ ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ልዕሊ ምክትሉ ዊልያም ሩቶ፡ ንተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ብተደጋጋሚ ድጋፉ ገሊፁ’ዩ። ትጽቢት ውጽኢት መረጻ ኬንያ ይቕጽል ኣብቲ ካብ ዝካየድ ሽዱሽተ መዓልቲታት ኣቑጺሩ ዘሎ መረጻ ኬንያ፡ ቀጻሊ ፕረዚደንት መን ከምዝኾነ ዛጊድ ኣይተፈለጠን። ከይዲ ቆጸራ ኣዝዩ ዝሑል ምዃኑ፡ ንኬንያውያን ኣብ ወጥሪ ኣእትዩዎም። ዛጊድ ቆጸራ ሰለስተ ሲሶ ድምጺ ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ንተቓዋሚኡ ራይላ ኦዲንጋ በሊጹ ይመርሕ ኣሎ። ዓበይቲ ትካላትን ተሓለቕቲ መሰላትን ኬንያውያን ወጥሪ ካብ ዘስዕቡን ጎንጺ ዘልዕሉን ተግባራት ክቑጠቡ ጸዊዖም ኣለዉ። ብቐዳም ገለ ልኡኻት ፖለቲካዊ ውድባት ከይዲ ቆጸራ ድምጺ ንምዕትዕንቓፍ ብምፍታኖም ኣባላት ኣድማ ብተና ናብ ማእከል ቆጸራ ድምጺ ተዋፊሮም ነይሮም። ብመሰረት ሕጊ ኬንያ፡ ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ናይቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ መረጻ ውጽኢት ዕላዊ ንምግባር ሓደ ሰሙን ይተርፎ። ልዕሊ ሓደ ሲሶ ውፅኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ብኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ዝተረጋገፀ እንትኸውን ክልቲኦም ኣብ ፀቢብ ኣፈላላይ ዘለዉ ሕጹያት ድማ ኣብ ሓያል ውድድር ይርከቡ። ብመሰረት ዛጊድ ዝተረጋገፀ ድምፂ፡ ምክትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብ51 ሚኢታዊ ክመርሕ እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ራይላ ኦዲንጋ ድማ 48 ሚኢታዊ ረኺቡ ኣሎ። ሓላፊ ኮሚሽን መረፃ ኬንያ ምእዋጅ ውፅኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ዝተኻየደ መረፃ ኣዝዩ ከምዝደንጎየ ዝተኣመነ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ክልቲኦም ቀንዲ ሕጹያት ንዘቕረብዎ ጥርዓናት ስዒቡ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ውጽኢት ብተደጋጋሚ ተቛሪጹ ነይሩ። ደገፍቲ ራይላ ነቲ ውፅኢት ንምርግጋፅ ዝግበር መስርሕ ብተደጋጋሚ ከምዝዕንቅፉ ይግለፅ። ንገለ ኣፈጸምቲ መረፃ ኣብ ድምፂ ምትላል ይፍጽሙ ኣለዉ ክብሉ እዮም ዝኸሱ። ኣብ ሞንጎ እቲ ክትዕ ድማ ኣካያዲ ጎስጓስ መረፃ ራይላ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮሚሽን ምርጫ ነቲ ሃገራዊ ውራይ ናብ ዘፈጽሙሉ ቦታ ብምኻድ ንመስርሕ ምፅራይ ውጽኢት ነቒፉ። ሳይታባኦ ኦለ ካንቾሪ "ቦማስ ኬንያ ማእከል ገበናት ኮይኑ ከምዘሎ ንህዝቢ ክሕብር እደሊ" ኢሉ። [ቦማስ ኬንያ - መስርሕ ቆፀራ ድምጺ ዝካየደሉን ውጽኢት ዝንገረሉን ቦታ ኮይኑ ሓደ ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ ባህላዊ ማእከል እዩ] ሽዑ ነዚ ተቓውሞ ምስ ኣስምዐ ካብቲ ቦታ ክወፅእ ተገይሩ። ሰላም ንምውሓስ ብዝብል ኣብቲ ህንፃ ናይ ኣድማ ብተና ፖሊስ ተዋፊሮም ይርከቡ። ዛጊት ካብቶም 292 ናይ ምርጫ ክልላት ናይ 141 ውፅኢት ተረጋጊፁ ኣሎ። መራኸቢ ብዙሃን ኬንያ ካብ 46 ሽሕ ጣብያታት ንዝተረኸበ ወግዓዊ መረዳእታ ተጠቒመን ግዝያዊ ውፅኢት ክዝርግሓ ፀኒሔን’የን። ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሕጹያት ከኣ ኣዝዩ ፀቢብ ዝኾነ ኣፈላላይ ከምዘሎ የመልክታ። ኣስታት 14 ሚልዮን ዜጋታት ድምጺ ዝሃቡ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ካብቶም ተመዝጊቦም ዝነበሩ ኣስታት 65 ሚእታዊት ይበፅሕ። ኮሚሽን መረፃ ክሳብ ሰሉስ ውፅኢት ከፍልጥ ትፅቢት ይግበር። ሓላፊ እቲ ኮሚሽን ዋፉላ ቸቡካቲ ውፅኢት ወግዓዊ ንምግባር "ገለ ምምሕያሻት ክንገብር ኣገዳሲ ኮይኑ’ሎ" ክብል ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ተዋፊሩ ይርከብ። ካብ ጣብያታት መረፃ ንዝተኣከበን ኣብ ዌብሳይት እቲ ኮሚሽን ንዝተዘርግሐን ግዝያዊ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ብማዕከናት ዜና ዝቐረብ ዘሎ ዝተፈላለየ ውፅኢት ምድንጋር ፈጢሩ’ሎ። እቲ ዌብሳይት ብሰምሰርቲ ከምዝተጨወየን ውጽኢት ከምዝተቐየረን ንዝገልፅ ሓበሬታ ሰብመዚ ኮሚሽን መረጻ ኬንያ ነጺጎም ኣለዉ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ዝሰዓበ ዘይምርግጋእ ኣብዚ እዋን እውን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ስክፍታ ኣሕዲሩ ይርከብ። ኣብ 2007 ኣቆፃፃራ ኣውሮፓ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ዕግርግር ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 600 ሽሕ ድማ ካብ ገዝኦም ተፈናቒሎም ነይሮም። ድሕሪኡ ብ2017 ኣብ ዝተኻየደ መረፃ፡ ዓብዪ ሎጂስቲካዊ ክፍተት ከምዝነበረ ዘመልከተ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ መረፃ ዳግም ክካየድ ምውሳኑ ይዝከር። እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ መረፃ ዕዉት ንክኸውን ሰበስልጣን ኣብ ከቢድ ፀቕጢ ከምዝርከቡ ይግለፅ። ኣብ መላእ ሃገር ናይ ሰባት ምንቅስቓስ ዝተዘሓሓለ ኮይኑ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለዋ። ኣብ ኬንያ ዝካየድ መረፃ ካብ ምትላል ዝፀረየ ከምዘይኮነ ንዓመታት ብተደጋጋሚ ዝለዓል ክሲ እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረፃ ቴክኖሎጂ ንሳልሳይ እዋን ኣብ ጥቕሚ ይውዕል እኳ እንተሃለወ፡ ተቓወምቲ ግን ክስታት ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓሉን። እቲ ውፅኢት ወግዓዊ ዝኾነሉ ዕለት እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ኮሚሽን መረፃ ግን ነቲ ዝተረኸበ ድምፂ ናይ ምርግጋፅ ስራሕቲ ኣብ ምክያድ ይርከብ። መንነት ናይቲ ዝሰዓረ ሕጹይ ዝፍለጥ በቲ ኮሚሽን ኣቢሉ’ዩ። ሕፁያት ኣብቲ መረፃ ኽዕወቱ እንተኾይኖም፡ ካብ ሓፈሻዊ ድምፂ መረፅቲ ነቲ ልዕሊ ፍርቂ ክዕወቱን ኣብ 24 ጣብያታት መረጻ ድማ ልዕሊ 25 ሚኢታዊ ድምጺ ክረኽቡን ግድን ይኸውን። ከምዚ ክኸውን እንተዘይኪኢሉ እቲ መረፃ ዳግማይ ኣብ ጷጉመ ይካየድ። ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ኢትዮጵያን ሜዳልያን ኣብ ሄልሲንኪ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እዮም ተላልዮም። ኣብዚ ፈላማይ ሻምፒዮና፡ ኢትዮጵያ ኣትሌት ከበደ ባልቻ ብዘመዝገቦ ዓወት ፈላማይ ሜዳልያ ብምርካብ ንኣፍሪቃ'ውን ፈላማይ ዝዀነ ሜዳልያ ከተምጽእ ክኢላ። ኣትሌት ከበደ ሜዳልያ ብሩር ብምዕዋት፡ ድሕሪኡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ መድረኻት ዓለም ንዘመዝግቡዎ ዓወታት ኣሰር ዝዀነት ሽግ ኣብሪሁዋ። ይኹን’ምበር ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኢትዮጵያ ኣይተሳተፈትን። ኣብዚ በብክልተ ዓመት ዝካየድ ውድድር ብዙሕ ሜዳልያታት ብምእካብ ኣብ ጫፍ ኣመሪካ እትበጽሕ ሃገር የላን። ጎረቤት ሃገር ኬንያ ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ። ኢትዮጵያ ካብዚ ሻምፒዮና ክሳብ ሕጂ ብዝኣከበቶ ብዝሒ ሜዳልያ ካብ ዓለም ኣብ ሻብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ገዲም ጋዜጠኛ ስፖርት ተሾመ ቀዲዳ፡ እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣመሪካ ኦሪገን ከይሓወሰ፡ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ 85 ሜዳልያታት ከም ዝረኸበት ንቢቢሲ ተዛሪቡ። “29 ሜዳልያ ወርቂ፣ 30 ብሩር፣ 26 ድማ ሜዳልያ ነሓስ፤ ብጠቕላላ 85 ሜዳልያ ኣለዋ”። ካብዚ እቲ 40 ሜዳልያታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውድድራት 1500፣ 3000፣ 5000፣ 10 ሽሕ ሜትሮን ማራቶንን ዝረኸብኦ ሜዳልያ እዩ። ኣብዚ ሻምፒዮና ኢትዮጵያ፡ ዝተፈለየ ታሪኽ እዩ ዘለዋ ዝብል እቲ ጋዜጠኛ፡ ከበደ ባልቻ ኣብዚ መድረኽ ብማራቶን ንፈለማ እዋን ሜዳልያ ብሪ ዘምጽአ ኣፍሪቃዊ ኣትሌት ምዃኑ ይጠቅስ። ንፈለማ እዋን ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ እንከላ ኣትሌት ከበደ ባልቻ ኣብ ማራቶን ካልአይ ብምውጻእ ንኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ፈላማይ ሜዳልያ ኣምጺኡ” ብምባል ይገልጽ። ንሱ ዝረኸባ ሜዳልያ ብሩር ብምሓዝ ድማ ኢትዮጵያ ኣብቲ ግዜ ካብ ዓለም መበል 15 ኰይና ውድድራ ዛዚማ። ሽዑ፡ ካብ ኢትዮጵያ ወጻእ ኣብ ሰደቓ ሜዳልያ ዝኣተወት ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣይነበረትን። ኣብቲ እዋን፡ ምብራቕ ጀርመን ዝነበረት [ጀርመን ሓንቲ ሃገር ቅድሚ ምዃና] 19 ሜዳልያታት ብምእካብ ቀዳመይቲ ክትኸውን እንከላ፡ እታ ናይ ሕጂ ወነናኒት እቲ ሰደቓ ኣመሪካ ካልአይቲ ነይራ። ኣብ ጥልያን ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ሻምፒዮና “ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣሰልጢኑ መሪሑ ዝኸይድ ሰብ ስለ ዘይተረኽበ ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ኣይተሳተፈትን” ይብል ጋዜጠኛ ተሾመ። ድሕሪኡ፡ ንኢትዮጵያ ፈላማይ ወርቂ ሜዳልያ ዘምጽአ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሴ’ዩ። ኣትሌት ፊጣ ባይሳ ድማ ካልአ ነሓስ ብምምጽኡ፡ ኢትዮጵያ ሰለስተ ሜዳልያታት ሒዛ ተመሊሳ። ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ክሳብ እቲ ኣብ ስዊድናዊት ከተማ ጉተምበርግ ዝተኻየደ ውድድር ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ኰይና እያ ውድድራታ ክትዛዝም ጸኒሓ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ውድድር ጉተምበርግ፡ ኬንያ ጸብለልታ ኣርእያ። ኣብዚ ውድድር፡ ኬንያ ክልተ ወርቂ ሜዳልያ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሜዳልያታት ብምእካብ ሽማ ሓፍ ኣቢላቶ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ሞንጐ እዘን ሃገራት ዝርኣይ ንሕንሕ ክሕይል ጀሚሩ። ብ2003፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ እዚ ውድድር ኢትዮጵያ 3 ወርቂ፣ 2 ብሩርን 2 ነሓስን ብምምጻእ ካብ ዓለም ራብዐይቲ ኰይና ዝወድኣትሉ መድረኽ ኣብ ታሪኽ ዝርሳዕ ኣይኰነን ይብል ጋዜጠኛ ተሾመ። ኣብ ፊንላንድ፡ ከተማ ሄልሲንኪ መበል 10ይ ዙር መድረኽ እዚ ውድድር ክካየድ እንከሎ ግን፡ እቲ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ዝተፈለየ ነይሩ። ኢትዮጵያ ኣብዚ ውድድር፡ ንኣመሪካን ሩስያን ስዒባ ብሰለስተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ካብ ዓለም ሳልሰይቲ ኰይና ውድድራ ዛዚማ። እዚ ውድድር ሄልሲንኪ፡ “ሓምለዋይ ውሑጅ” ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ሓምለዋይ ውሑጅ፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተኸታቲሎም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምእታው ኣብ ዓለም ዓብዪ ታሪኽ ዝሰርሑሉ ዘመን እዩ። ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ክልተ ወርቂ ዝተዐወተትሉ እዚ ውድድር፡ ኣትሌታት መሰረት ደፋር፣ ብርሃኔ ኣደሬን እጅጋየሁ ዲባባን ኣርማ ውድድር ሓምለዋይ ውሑጅ ብምኻን ኣብቲ ውድድር ዝነበረን ተሳትፎ ዝርሳዕ ኣይኰነን። ብደቂ ተባዕትዮ’ውን ኣብ 10 ሽሕ ሜትሮ ቀነኒሳ በቀለን ስለሺ ስህንን ተኸታቲሎም ብምእታው ኣብ ሄልሲንኪ ዝነበረ ውድድር ንከይርሳዕ ገይሮምዎ እዮም። ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ ጃፓን ኣብ ኦሳካ ኣብ ዘተኣናገደቶ ውድድር ግን ኬንያውያን ጸብለታኦም ኣርእዮምሉ። ኬንያ ኣብዚ ሻምፒዮና ሓሙሽተ ወርቂ ዝርከቦ 15 ሜዳልያታት ተዓዊታ። ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ ውድድራት በርሊን፣ ዴጉ፣ ሞስኮ፣ ቤጂንግ እናበለ ክሳብ ዶሃ ኣብ ዘለው ውድድራት ኬንያ ብብዝሒ ሜዳልያ ንኢትዮጵያ ትመርሓ ኣላ። ደራርቱ ቱሉ፡ ብ1991 ኣብ ቶኪዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እያ ንፈለማ እዋን ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ተሳቲፋ። ዋላ'ውን ኣብቲ ግዜ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ጎይያ ሜዳልያ እንተዘይኣምጽአት፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ባርሲዮሎና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ግን ሜዳልያ ወርቂ ረኺባ። ብተደጋጋሚ ሽማን ሽም ሃገራን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዓለም ዘጸውዐት ሎሬት ኮሎኔል ደርርቱ፡ ፕሬዝደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኰይና ካብ እትምረጽ ንድሓር ብዙሕ ለውጢ መጺኡ እዩ። እንተዀነ፡ ኣብቲ ፌደሬሽን ዘሎ ባይታ ኩሉ ንዕኣ'ውን ዝምች'ዩ ማለት ኣይኰነን። እቲ ሽሙ ኣብ ዓለም ግኑን ዝዀነ ኣትሌት ሃይሌ ገብረስላሴ ካብ ፕሬዝደንትነት እቲ ፌደሬሽን ብፍቓዱ ክወርድ እንከሎ፡ እቲ ሓላፍነት ቀሊል ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ ነይሩ። ደራርቱ ቱሉ፡ ብታሕሳስ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ፕሬዝደንት እቲ ፌደሬሽን ኰይና ተመሪጻ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ኣትሌቲክስ ዝመጽአ ለውጢ እንታይ’ዩ ዝብል ንምርኣይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፉሎም ውድድራት ምርኣይ እኹል እዩ። ንሳ፡ ነቲ ፌደሬሽን ምምራሕ ካብ እትጅምር ንድሓር ክልተ ጊዜ ኣብ ሻምፒዮና ዓለም፣ ሓደ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ፣ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ውድድራ ውሽጢ ገዛ ተሳቲፋ እያ። ብ2019፡ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ዓለም ድማ፡ ኢትዮጵያ ክልተ ወርቂ፣ ሓሙሽተ ብሩርን ሓደ ንሓስን ሒዛ እያ ተመሊሳ። ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝፍለጥሉ ውድድር ነዊሕን ማእከላይን ርሕቐት፡ እቲ ዝለመደቶ ሜዳልያ ወርቂ’ኳ እንተዘይተዓወተት ተስፋ ዝግበረሎም ኣትሌታት ምህላዎም ግን ተራእዩ እዩ። ኣብዚ መድረኽ፡ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ሜዳልያ ብምእካብ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ነይራ። ድሕሪኡ፡ ደራርሩ ዝመርሓቶ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብቲ ዓብዪ መድረኽ ኦሎምፒክ ዓለም ኣምሪሑ። ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ኣርባዕተ ሜዳልያ ጥራይ እያ ኣኪባ። እዚ ውጽኢት እቲ ዝተሓተ ዝብሃል እዩ። ነዚ ስዒቡ ግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ገዛ ውሽጢ ኣትሌቲክስ ብምስታፍ፡ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጐሊሆም ተራእዮም። ኣብዚ ኣርባዕተ ወርቂ፣ ሰለስተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብምእካብ ንኣመሪካ ስዒባ ኣብ ዓለም ነጊሳ። ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ኣመሪካ ኦሪገን ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ዓለም እዚ ዓመት ድማ፡ ኢትዮጵያ ዝንኣድ ውጽኢት ከተርኢ ክኢላ ኣላ። ዳግም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓወት ምጽንባሎም ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ። ኢትዮጵያን ኬንያን ዶብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሜዳልያታት ዝዕደለሉ መድረኽ ኣትሌቲክስ'ውን እዩ ዘራኽበን። ብፍላይ ኣብ ውድድር ነዊሕ ርሕቐት፡ ክልቲአን ሃገራት ክሳድ ንክሳድ ክተሓናነቓ ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ እዩ። ኣትሌት ሃይሌን ፖልቴርጋን፡ ብሚሊ ሜትሮ ተቐዳዲሞም ዝኣተውሉ ውድድር ዝርሳዕ ኣይኰነን። ቀነኒሳን ኪፕቾጌን’ውን ብክልተ ካልኢታት ኣፈላላይ ጥራይ ዝዓተሩዎ ክብረወሰን ማራቶን እውን ካልእ መርኣያ እዩ። ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማእኸላይ ርሕቐት ማለት 5 ሽሕን 10 ሽሕን ሜትሮ፡ ኬንያ ድማ ኣብ ሓጺርን ማእከላይን ርሕቐት ውድድራት 800 ሜትሮ፣ 1500 ከምኡ’ውን 3000 ነጊሶም ምርኣይ ልሙድ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ኬንያውያን ኣብ ማእከላይ ርሕቐት’ውን ምስ ኢትዮጵያ ክነሓንሑ ርኢና። ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ድማ ኣብ 1500ን 3000ን ሜትሮ ውድድራት መሰናኽል ንኬንያ ክፍትኑዋ ተራእዮም። ንኣብነት፡ ብ20119 ኣብ ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ዓለም፡ ብ3 ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ኬንያዊ ኪፕሩቶ ንኢትዮጵያ ሌሜቻ ግርማ ብሚሊ ሜትሮ ጥራይ በሊጹ ሜዳልያ ወርቂ ወሲዱ እዩ። ለሜቻ ግርማ፡ ብ3000 መሰናኽል ንኢትዮጵያ ሜዳልያ ዝረኸበ ፈላሚ ወዲ ተባዕታይ ኣትሌት እዩ። ብ2013 ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ኣትሌት ሶፊያ ኣሰፋ በዚ ርሕቐት ተሳቲፋ ዝረኸበቶ ሜዳልያ ነሓስ ብሕታዊ ሜዳልያ ኢትዮጵያ ነይሩ። ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ዓለም’ውን እዚ እዩ ተራእዩ። ለሜቻ ግርማ፡ በዚ ርሕቐት ካልኣይ ብሩር ኣምጺኡ ኣሎ። ጉዳፍ ጸጋይ ድማ፡ ብ1500 ሜትሮ ሜዳልያ ብሩር ረኺባ። ኬንያዊት ፌዝ ኪፕየጎን ክኣ ንሃገራ ብሕታዊት ሜዳልያ ወርቂ ዘምጽአት ኰይና ኣላ። ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ኦሪገን ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ሰንበት ብዝተኻየዱ ውድድራት ክዛዘም እዩ። ኣብዚ ውድድር ኢትዮጵያ ካብ 800 ሜትሮ ክሳብ ማራቶን ኣብ ዘለው ውድድራት ብደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሳቲፋ እያ። ኣብዚ ውድድር ክሳብ ሕጂ ሰለስተ ወርቂ ሜዳልያ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ሓደ ነሓስን ብምርካብ ንኣመሪካ ስዒቡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ። ሰንበት ኣብ ዝካየዱ ውድድራት 800ን 5 ሽሕ ሜትሮን ድማ ትጽቢት ይግበሩ። ካብቶም ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ውድድር ዝረኸበቶም ሸሞንተ ሜዳልያታት እቶም ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ዘምጽኡዎም’ዮም። እዚ ውድድር ካብ 1983 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ በብክልተ ዓመት ክካየድ ዝጀመረ ውድድር ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ብፍሉይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድራር 5 ሽሕን 10 ሽሕን ደሚቓን ጐሊሓን እትወጽእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና ጸኒሓ እያ። ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ናይ 10 ሽሕ፣ 5 ሽሕ ሜትሮን ፍርቂ ማራቶናትን ሰለስተ ክብረወሰናት ዓለም ዝሓዘት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ኣብ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ተዓዋቲት ሜዳልያ ወርቂ ኰይና እያ። ለተሰንበት ድሕሪ እቲ ውድድር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ኣብዚ ውድድር ንክዕወት ዓብዪ ዕላማ ነይሩኒ፤ ሕልመይ ነይሩ። እዚ ዓወት ክኣ፡ ንዓይ ካብቲ ክብረወሰን ንላዕሊ እዩ፤ ሕጉስቲ’የ” ኢላ። ኣትሌት ጎተይቶም ገብረስላሰ፡ ካልእ ኣብ ውድድር ማራቶን ሜዳልያ ወርቂ ንሃገራ ከተምጽእ እንከላ፡ ነዚ ውድድር ንምውዳእ ብዘመዘግበቶ ሰዓት ክብረወሰን ዓለም ሰይራ። ኢትዮጵያ፡ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዝጅመር ብደቂ ኣንስትዮ ሜዳልያ ወርቂ ክትረክብ እዚ ንኻልኣይ ግዝኣ እዩ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ማሬ ዲባባ ሜዳልያ ወርቂ ኣምጺኣ ነይራ። ኢትዮጵያ ብፍላይ ካብ 1999 ክሳብ 2007 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዘለው ዓመታት፡ ብውድድራት 10 ሽሕን 5 ሽሕን ሜትሮ ዘሳተፈተን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብተኸታታሊ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኰይነን ነቲ መድረኽ ክዐወታሉ ተራእየን እየን። ኣብቲ ግዜ፡ ከም በዓል ኣትሌት ጌቴ ዋሚ፣ ደራርቱ ቱሉ፣ ወርቅነሽ ኪዳኔ፣ ጥሩነሽ ዲባባ፣ ብርሃኔ ኣደሬ፣ ኣልማዝ ኣያና ዝበላ ኣትሌታት ኣብቲ መድረኽ ሽመንን ሃገረንን ኣጸዊዐን። መረጻ ኬንያ፡ ንህዝቢ እትጉስጉስ -ንባዕላ ግን ዘይትመርጽ ጓል ኣንስተይቲ ዲያና ምዋዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ መረጻ እታ ሃገር፡ ኣብ ህይወታ ለውጢ ከምጽኡ ንዝኽእሉ ሰባት ናይ ምምራጽ ዕድል ዘይኮነስ፡ ገንዘብ ዝረኽብሉ መንገዲ ጌሮም ካብ ዝርእይዎ ብዙሓት ኬንያውያን መንእሰያት ሓንቲ እያ። እታ ጓል 20 ዓመት ንእስቲ፡ ኣብቲ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል ዕግርግር ዝመልኦ ፖለቲካ ኬንያ፡ ንሳ እትነብረሉ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ጽቕጥቅጥ ዝበለ ሰፈር ኪብራ፡ ንእሽቶ ጽልዋ ፈጢራ ኣላ። ብኽፍሊት ስራሕ ኣልቦ ሰባት ኣብ ሰልፍታት ክሳተፉ ትደሊ - ንዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣገልግሎታ ክትህብ ድማ ሕጉስቲ እያ። "ደገፍ ህዝቢ ከም ዘለዎም ከርእዩ ካብ ዝደልዩ ፖለቲከኛታት ስራሕ ክረክብ ስለዝገበረኒ በቲ መረፃ ተሓጒሰ ኣለኹ" ትብል። ቅድሚ እቲ ብ9 ነሓሰ ዝካየድ መረጻ፡ ሰዓል ምርጫ ነታ ሃገር ሒዝዋ ኣሎ - ጭርሖታት ሰልፍታት ኣካል ናይቲ ንቡር ደስታታት ኮይኖም፡ ኣብ መላእ ህዝባዊ ቦታታት ፖለቲካዊ ፖስተራት ተለኺዮም፡ ካብ ኣብ ጎስጓስ መካይን ዝተሰቕሉ ዓበይቲ መጉልሒ ድምጺ ብዝፍኖ ሙዚቃን ጭርሖታትን መሊኡ ኣሎ። ክልቲኦም ገዳይም ፖለቲከኛታት፡ ንኣጋጣሚ ዝገድፍዎ ነገር የለን፡ ምኽንያቱ ናይ ተፈታውነት ጦብላሕታ ምፍጣር ቁልፊ እዩ - ኣብኡ ድማ እዩ እቲ ህዝቢ ዝኣቱ። "ሰባት ኣብ ሰልፊ ክሳተፉ ምውዳብ ከቢድ ስራሕ ኣይኮነን ምኽንያቱ ስራሕ ኣልቦ መንእሰያት ምርካብ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ" ትብል ባዕላ ክትመርጽ መደብ ዘይብላ ወ/ሪት ምዋዚ። "ኩሎም ፖለቲከኛታት ሓሰውቲ እዮም። ኣብ እዋን ምርጫ ከም ኣባጊዕ ኣብዚ ይውሕዙ፡ 'እዚ ክገብር እየ’፡ ‘ንመንእሰያት ስራሕ ክህብ እየ' ዝብል ቃል ይኣትዉ። ምስ መረጽካዮም ግን ዋላ ሓንቲ ኣይገብሩን እዮም።" ህዝቢ ምእካብ "ጎድናዊ-ስራሕ እዩ” ትብል ወ/ሮ ምዋዚ። ካብ ዕዳጋ ሸበጥ ገዚኣ ብመንገዲ ጉጅለታት ዋትስኣፕ ትሸጦ፡ እቲ ገንዘብ ድማ ነቲ ኣዲኣ ከም ሰራሕተኛ ጥዕና ማሕበረሰብ ዘለዋ ድኹም ኣታዊ ንምዕባይ ይሕግዝ። ኣብቲ ናይ ጎስጓስ እዋን፡ ሚስ ምዋዚ ምስ ካልኦት ጎስጎስቲ ትሰርሕን ከከም ብዝሒ ዝተሓተቱ ሰባት ድማ ካብ 40 ክሳብ 100 ሰባት ክትእክብ ትኽእል እያ። "ንሓደ ፍጻመ 500 ኬንያ ሽሊንግ (5 ዶላር፤ 3 ፓውንድ) እረክብ እየ፤ ገለ ፖለቲከኛታት ግን ለጋሳት እዮም" ትብል ሚስ ምዋዚ። እቶምተሳተፍቲ ድማ ተመሳሳሊ መጠን ገንዘብ ይረኽቡ። "ፖለቲከኛታት መወዳድርቶም ዝያዳ ደገፍ ከምዘለዎም ከርእዩ ስለዝደልዩ፡ንህዝቢ ስእሊ ብምውሳድ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይዝርግሑ" ትብል ሚስ ምዋዚ። መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውዳብ ዓወት ረኺባ እያ፡ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ምርካብ ግን ዝያዳ ኣጸጋሚ ኰይኑዋ ኣሎ። "ደቂ ተባዕትዮዝተኣማመነሎም ኣይኮኑን፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐርብ ገንዘብ የማርሩ" ትብል ንሳ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ተጻረርቲ ጉጅለታትመንእሰያት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምስዝራኸቡ፡ ከም ዝጋጨዉ ትዛረብ። ኣብታ ብውሑዱ 70% ካብ ህዝባ ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድሚኡ ዝዀና ሃገር፡ መንእሰያት መረጽቲ ኣብቲ ምርጫ ከም ዝረኣዩ ምርግጋጽ፡ ነቶም ኣብቲ ብሓንሳብ ዝካየድ ዘሎ ሽዱሽተ ምርጫታት ንፕረዚደንትነት፡ ባይቶን ኣመሓደርቲ ኣውራጃታትን ሓዊሱ ንስልጣኖም ዝወዳደሩ ወሳኒ እዩ። ሕጹያት ኣብ ናይ ጎስጓስ ናውቲ፡ ሎጂስቲክስን ርክባትን ሚልዮናት ዶላር የውጽኡ፡ እዚ ድማ ምቹእ ጽሑፋት ንምፍጣር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽልዋ ዝፈጥሩ ሰባት ምቑጻር ይርከብዎም። ብተወሳኺ ምስቶም ፖለቲከኛታት ንኽዕወቱ ዘለዎም ተስፋ ምቑራጽ ዝሃድኑ ዝያዳ ጠለብ ዘለዎም መራጽቲ ክጓዓዙ ኣለዎም - ፖለቲከኛታት ኬንያ ገለ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝበለጹ ደሞዝ ዝረኽቡ እዮም። ፖለቲካዊ ስርዓት እታ ሃገር እቶም ዝበዝሐ ገንዘብ ዘውጽኡ ሰባት ንኽምረጹ ዝተዳለወ ምዃኑ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ኣባል ባይቶኮይኑ ዘይተዓወተ ፍሉጥ ኣክቲቪስት ቦኒፋስ ምዋንጊ ይዛረብ። "ሓደ ሕጹይ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ንኽምረጽ ኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር (1.5 ሚልዮን ፓውንድ) ወጻኢ ገይሩ" ይብል። "ሓደ ድኻ ሕጹይ ኰይኑ ክምረጽ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ - ድኻታት ንዓኻ ንኽመርጹ ምልዕዓል የድልዮም።" ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተኸተልቲ ዘለውዎ ሚስተር ምዋንጊ፡ ሕቶታት ስራሕ ሓዊሱ ካብ መንእሰያት ኬንያውያን ብቐጻሊ ዕጽፍታት ጠለብ ይቕበሉ። እዚ ድማ ፖለቲከኛታት ስራሕ ንምፍጣር ዘይምኽኣሎም ዘጉልህ እዩ ይብል፡ መረጽቲ ድማ ፈተውቲ ገንዘብ ኮይኖም ኣለዉ - ንዝኸፈሎም ድምጾም ይህቡ። "ገለ ካብቶም ፍሉጣት ፖለቲከኛታት እዛ ሃገር ንፉዓት መራሕቲ ስለዝኾኑ ኣይኮኑን ዝፍተዉ፤ ብገንዘቦም ለጋሳት ስለዝኾኑ እዩ፡፡ መረጽቲ ‘ ድምጽና ንመሸጣ እዩ’ ኢሎም ወሲኖም እዮም፡፡ ስለዚ እንካን ሃባን ኾይኑ" ይብል ሚስተር ይብል ምዋንጊ። "ኣብ ሓቃዊ ዲሞክራሲ፡ እቶም እትመርጾም ሰባት የገልግሉኻ። ኣብ ኬንያ እቶም መረጽቲ ንፖለቲከኛታት እዮም ዘገልግሉ" ክብል ወሲኹ ይዛረብ። ወ/ሪት ምዋዚ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ምስ ኣዲኣን ክልተ ንኣሽቱ ኣሕዋታን እትነብረሉ ካብ እምኒ ዝተሰርሐ ሓደ ክፍሊ፡ ካብ ሞገድ ሓጺን ዝተሃንጸ መስርዕ ገዛውቲ ኣሎ። በቲ ሰፊሕ ዕንክሊል ዝበለ፡ ናይቲ ዝሰፍሐ ድኻታት ዝነብርሉ ከባቢ፡ ብዙሕ ሕብሪ ዘለዎም ሻምብቆታት ማይ ዝሓልፍሉ ሓደ ጸቢብ ረሳሕ መንገዲ ይፈላለዩ። ኣብኡ ድማ ምስ ጀምስ ሞጋካ ወይ "ጂሚ ጠበቓ" ይራኸቡ። በሊሕ፣ ጽቡቕ ኣከዳድና ዘለዎን ጸጉሩ ‘ድሬድ’ ዝተሰርሐን፡ ቀይሕ ናይ ጎማ ጓንቲ ገይሩ ኣሎ። ንሱ ንዝተዓጽወ ሸንኮለል ይፈትሕ ኣሎ፡ ቦርሳታት፣ ጥርሙዝን ካልእ ጎሓፍን ዝመልአ። ሕጊ ስለ ዘጽንዐ፡ ሓድሓደ ግዜ ከም ሕሱም ላግጺ ዝጥቀመሉ ሞኽሲ ስም ኣለዎ። ስሩዕ ስራሕ ክረክብ ስለዘይከኣለ ግን፡ ውሑዳት ሽልንግ ንምርካብ ናይ ኢድ ስራሕ ይሰርሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ውሽጢ ዓዲ መደባት ቲቪ ከም ተወሳኺ ምርኢት የቕርብ። እዚ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ፡ ዘይከም ወ/ሪት ምዋዚ፡ ለውጢ ከምጽእ እዩ ዝበሎ ሕጹይ ድምጹ ክህብ መደብ ኣለዎ። ብዙሓት መንእሰያት ግን ኣብ እምነቶም ደው ክብሉ ከም ዘጸግሞምን፡ "ንከብዲ ዝኸውን ገንዘብ" ንምርካብ ድምጾም ምሻጥ ዝብል ዘዋርድ ተመክሮ ክሓልፉ ከም ዝግደዱን ይዛረብ። "ረ ዋላ'ውን ካብ ፖለቲከኛታት ጥረ ገንዘብ እንተዘይወሰዱ፡ ካልእ ሰብ ከም ዝወስድ፡ ጸገሞም ድማ ከም ዝጸንሕ ይፈልጡ እዮም" ይብል። ኬንያ ቅልውላው ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ከምዘለዋ ፈጻሚት ዳይረክተር ፈደረሽን ኣስራሕቲ ኬንያ ጃክሊን ሙጎ ገሊጻ። "ተስፋ ዝቖረጸ፡ ዝተቖጥዐን ዓቕሉ ዝጸበቦን መንእሰይ ሃገራዊ ጸገም'ዩ... መነባብሮኦም ክረኽቡ ዘይክእሉን ወለዶም ዘድልዮም ነገራት ከማልኡሎም ዘይክእሉን መንእሰያት እንተሃልዮምኻ፡ እዚ ምልክት ናይ ግዜ ቦምብ'ዩ" ትብል። "ኣብ ከባቢ 16 ክሳብ 35 ዝበጽሕ ዕድመ እንተርኢኻዮ፡ ሽዑ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ክሳብ 40% ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ስለዚ ነገራት ኣዝዮም ሕማቓት እዮም ግን ካብቲ ዘለዎ ክገድድ ዝኽእል ኣይመስለንን" ትብል ሚስ ሙጎ፡ ለውጢ ንምምፃእ መናእሰይ ኣብ ፖለቲካ ተሪሩ ክሳተፍ ከምዘለዎ ብምምዓድ። ሓደ መዓልቲ ስነ ጥበብ ምድላው መግቢ ከተጽንዕ ተስፋ ዘለዋ ወ/ሪት ምዋዚ፡ ገና ኣይኣመነትሉን። ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ምርጫ ምስተወድአ፡ ካብቶም ፖለቲከኛታት ደጊማ ክትሰምዕ ኢላ ኣይትጽበን። ሕዚ መነባብሮኣ ንምምሕያሽ ካብ ሓደ ሰልፊ ናብቲ ካልእ ሰልፊ ምዝላል ክትቅጽል እያ። "ብዝኾነ መብዛሕትኦም ኣብዚ ኣይነብሩን እዮም" ትብል መንኵባ እናነቕነቐት። ኬንያ፡ ኣብ ልዕሊ ጽሙማን ዝበጽሕ ኣድልዎ ንምቅላስ ዝሕግዝ ዘሎ ፓሌት ካፌ እዚ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝርከብ ካፌ፡ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ጽሙማን ዘለዎም ኣረኣእያ ንምልዋጥ ዘመልክት ሓደ ማሕበራዊ ቤተ ፈተነ ገይርካ ክውሰድ ይኽእል። ፓሌት ካፌ፡ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ህይወቶም ብርክት ዝበሉ ኣድልዎ ዝበጽሖም ጽሙማን ሰራሕተኛታት ብምቑጻር ውህደት ብኸመይ ክፍጠር ከም ዝኽእል የርኢ ኣሎ። እቶም ኣብ ሓደ ኣትኽልቲ ዝበዝሖ ሓምለዋይ ቀጽሪ እትርከብ ካፌ ዘለው ሰራሕተኛታት፡ ናይ ምልክት ቋንቋ፣ ድምጺ ዘይብሉ ኣፋዊ ምንቅስቓስ ወይ ናይ ኢድ ምልክታት እዮም ዝጥቀሙ። ኣብ ሓደ ግድግዳ ድማ፡ መሰረታዊ ናይ ምልክት ቋንቋታት ዘርኢ ጽሑፍ ተጠቂዑ ኣሎ። ንኣብነት፡ እቶም ኣተኣናገድቲ እቲ ተጠቃሚ ዝሑል ዝስተ ማይ ዝደሊ እንተኾይኑ፡ ሰብነቶም ብምንቅጥቃጥ ይሓቱዎ፤ እቲ ተጠቃሚ ድማ ዓባይ ዓባይቶ ኣጻብዕቱ ብምርኣይ እወንታኡ ይገልጸሎም። ኤድዋርድ ካማንዴ፡ እቲ ካፌ ብ2019 ክኽፈት እንከሎ ኣተኣናጋዲ ኮይኑ ተቖጺሩ፤ ሕጂ ግን ኣካያዲ ስራሕ እዩ። እዚ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ፡ መስራቲ እዚ ካፌ ፈይሰል ሑሴን "ሓደ ነገር ኣባይ ከም ዘሎ ርእዩ፡ ዕድል ሂቡኒ" ይብል። ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነበረ መስራቲ ፓሌት ካፌ ፈይሰል፡ ጽቡቕ መግቢ ጥራይ ዘይኮነ ንጽሙማን ዝድግፍን ዕድል ስራሕ ዝፈጥረሎምን ናይ ስራሕ ቦታ ክኸፍት ብምድላይ'ዩ ኣበጊሱዎ። "ናተይ ራእይ ጽሙማን ክፋል ሕብረተሰብ ምሕጋዝ'ዩ ነይሩ" ይብል። እቲ ካፌ ሕጂ ሰለስተ ጨንፈራት ኣለውዎ፤ እቲ ሕጂ እነውግዓሉ ዘለና ላቪንግተን ኣብ ዝብሃል ከባቢ ናይሮቢ ዝርከብ እዩ። እዚ ካፌ ካብ ዘለውዎ 40 ሰራሕተኛታት እቶም ልዕሊ 30 ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ወይ ጽሙማን እዮም። ካማንዴ፡ ኣብዚ እቲ ዝሰርሖ ነገር ዋጋ ምርካቡ እዩ ዝዛረብ። "ኣብ ትካልና ኣድልዎ የለን፤ ናጽነት ኣሎ" ኢሉ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብዚ ካፌ ስራሕ ክቑጸር እንከሎ፡ ሓለቕኡ ሓናኽን ርህሩህን ኢኻ እኳ ይብሎ እንተነበረ ሕጂ ግን ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ዝሰርሕ ሰብ ኮይኑ ኣሎ። ነቶም ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ጥራይ ዘይኮነ፡ ፋይናንስን ቐረባትን እቲ ካፌ'ውን ይቆጻጸር። ስርሑ ከም ዝፈትዎ ዝዛረብ ካማንዴ፡ ብፍላይ ተጠቀምቲ ብዛዕባ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሰራሕተኛታቱ ዘለዎም ርኢይቶ ክሕብሩዎ እንከለው ሓበን ከም ዝስምዖ ይገልጽ። መብዛሕትኦም ኣብዚ ካፌ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ቅድሚኡ ስራሕ ዘይነበሮም ስለ ዝኾኑ፡ እዚ ስራሕ ህይወቶም ንክልወጥ ሓጊዙዎም'ዩ። ሑሴን፡ መጀመርታ ነዚ ካፌ ክኸፍቶ እንከሎ ሰባት ስኢኑ ተጸጊሙ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ብዙሓት ስራሕ ደለይቲ ምህላዎም ይገልጽ። እቲ ካፌ'ውን ዕውት ስራሕ ክሰርሕ ብምኽኣሉ ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ጽሙማን ሰራሕተኛታት ኣብ ምቑጻር ንክሕግዞም ይሓቱዎ። ካማንዴ ከም ዝብሎ ኣብ ኬንያ እቲ ዓብዩ ጽሙማን ዘጋጥሞም ጸገም መጀመርታ ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ቦታ ምርካብ እዩ። "ብዙሓት ናይ ስራሕ ዕድላት ዘይረኸቡ ጽሙማን'ዮም ዘለው" ይብል። ኣብታ ሃገር ኣስታት 600 ሽሕ ጽሙማን ከም ዘለው ይግመት። ኣብ ባይታ ፍሉይ ድልየት ዘለዎም ሰባት ምጉናይ ብሕጊ ዝተኸልከለ እኳ እንተኾነ፡ ኣገልግሎታት ሕክምና፣ ትምህርትን ስራሕን ኣብ ምርካብ ግን ሕጂ'ውን ይጽገሙ ኣለው። ኣብ ኬንያ ናይ ምልክት ቋንቋ ብሰፊሑ ሰባት'ዮም ዝርድኡዎ፤ ካብ ሰብ መዚ'ውን ብዛዕባ እዚ ቋንቋ ኣፍልጦ ዘለዎም ውሑዳት እዮም። ብተወሳኺ ውሑዳት ተርጎምቲ ናይ ምልክት ቋንቋ እዮም ዘለው። ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራማት ኣብ ፈነወአን ናይ ምልክት ቋንቋ ከካትታ ይግባእ፤ ግን ነዚ ዘተግብራ ውሑዳት እየን። ካማንዴ፡ ሰባት ንክርድኡዎ ክዛረብ ይኽእል'ዩ፤ መብዛሕትኦም መሳርሕቱ ግን ጽሙማን ስለ ዝኾኑ ኣይኽእሉን። "ኣብ ሃገርና ኣብ ዙርያ ጉዳያት ጽሙማን ትምህርቲ የድሊ'ዩ" ይብል። ኣብ ቀረባ፡ ብዛዕባ ሓደ ፖሊስ ኣብ መገዲ ጠጠው ኣቢሉ መለለዪ መንነት ዝሓተቶ መሓዝኡ የልዕል። "ናብ ቤት ማእሰርቲ ክንወስደካ ኢና ኢሎም ኣፈራሪሖምዎ፤ ንሱ ግን ክምልሰሎም ኣይክኣለን" ኢሉ። ኣብቲ ግዜ፡ ናብቲ መሓዝኡ ዘለወሉ ቦታ ብምኻድ መሓዝኡ ጸማም ምዃኑ ነቶም ፖሊስ ከም ዘረድኦም ሓቢሩ። ከምዚኦም ዝበሉ ተጓንፎታት ኣብ ኣዝዩ ጽንኩራት ኩነታት ጽሙማን ንባዕሎም ጠጠው ዝብሉ ክኾኑ ከም ዘለዎም ከም ዘምሃሩዎ ይዛረብ። ፓሌት ካፌ፡ ንካማንዴ ዕድል ስራሕ ዝረኸበሉ ቦታ ጥራይ ዘይኮነ ምስ በዓልቲ ቤቱ'ውን ዝተራኸበሉ ቦታ እዩ። በዓልቲ ቤቱ ጃክሊን፡ ጸማም ኮይና ኣብቲ ካፌ ትሰርሐሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ'ዮም ተራኺቦም። ሕጂ ቈልዓ 11 ወርሒ ውላድ ኣለዎም። "ብምኽንያት እዚ ካፌ ናብ ቐጻሊ ምዕራፍ ህይወት ክሰጋገር ክኢለ'የ" ይብል። ኬንያ ኵናት ኢትዮጵያ ፍታሕ ንኽረክብ ብቐረባ ክትሰርሕ ምዃና ኣፍሊጣ ኬንያ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ንኽርከቦ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ልዝብ ብዝበለ መገዲ ተቐራሪባ ከምእትሰርሕ ኣፍሊጣ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ራይቼል ኦማሞ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሃገራ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዕሽሽ ከምዘይትብሎን ልስሉስን ልዝቡን ብዝኾነ ዲፕሎማስያዊ መገዲ እቲ ጸገም ንኸብቅዕ ብሓባር ከምእትሰርሕ ገሊጻ። እታ ሚኒሰትር ኣስዒባ “ዋላ’ኳ ግዜ ዝሓትት ጉዳይ እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዋ” ዝብል እምነት ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጽ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍትሖም ሰናይ ጅማሮ ከምዝኾነ ጠቒሳ። ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ምስ ዘሎ ቅልውላው ተዛሚዱ ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዘተ፣ ተኹሲ ደው ኣብ ምባልን ረድኤት ንኽኣቱ መገድታት ኣብ ምትዕርራይን ምስ ኢትዮጵያ ክትተሓባበር ከምዝጸንሐት ተዛሪባ። ኬንያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወናኒት እቲ ዝዓበየ ቁጠባን ኣብቲ ከባቢ ጽልዋ ፈጠርቲ ካብ ዝኸናን ሃገርት ሓንቲ ኮይና ምስ ምዕራባውያን ተሪር ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት ዝመስረተት ሃገር ከምዝኾነት ይፍለጥ። ድሕሪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኵናት ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ምሕዝነት እንዳሓርፈፈ ኣብ ዝኸደሉ ግዝያት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ንኵናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ፕረዚደንት ኬንያታን ካልኦት ሰበ ስልጣናት ኬንያን ተደጋጋሚ ዘተታት ከካይዱ ተራእዮም። ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጉዳያታ ብቐጥታ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዝርራብ እንዳተኻእለ ኣመሪካ ምስ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ብአተካይዶ ዘተ ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ምግላጹ ይዝከር። ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ሚኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከንን ምስተዘራረበ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛትዩ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ። ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ደሃዩ ዘይተረኽበ ኣብ ጐደናታት ናይሮቢ ዝተጨውየ ኢትዮጵያዊ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ - ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት፡ ብሞባይል ካሜራ ተቐሪጹ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታታት ኬንያ ብብዝሒ ዝተሰጋገረ ቪድዮ፡ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ዝተባህለ ኢትዮጲያዊ ነጋዳይ፡ ብቐትሩ ኣብ ጐደናታት ኬንያ ተጨውዩ ክውሰድ እንከሎ ዘርኢ ነበረ። እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ማእከል ሓደ ጐደና፡ ጥቓ ንግዳዊ ማእከል ናይሮቢ ዘጓነፈ ኰይኑ፡ ሳምሶን ካብ መኪናኡ ብሓይሊ ተደፊኡ ክወርድን፡ ኣብ ካልእ ሽዑ ንሽዑ ብናህሪ ዝተሰወረት መኪና ተደፊኡ ዝስቀልን እንከሎ ኣብቲ ቪድዮ ይርአ። ኣርባዕተ ዋርሕ ድሕሪ'ዚ ፍጻመ ግን፡ ብዛዕባ ኵነታትን ሃለዋትን ሳምሶን ክነግር ዝኽእል ሰብ ሓደ'ኳ ኣይተረኽበን። ሰበስልጣን ኢትዮጲያን ቤተሰቡን፡ ብዛዕባኡ ዝዀነ ካብ ትካል ጸጥታ ኬንያ ዝተነግሮም ዛጊት የለን። በዓልቲ ቤቱ ሚለን መዝገቦ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ጓህን ወዲቓ ትርከብ። ንሳ ከም ዝበለቶ፡ እቲ ፍጻመ ንመላእ ቤተሰብ ዘሰንበደ እዩ ነይሩ። ደቁ ብዛዕባ ኣቦኦም ብቐጻሊ ይሓቱ፣ እቲ ቪድዮ ድማ፡ ነቲ መዓልታዊ ዝነብርዎ ዘለው ዘይውሑስ ህይወት ዘኻኽሮም ኰይኑ'ሎ። "ደቀይ፡፣ ነቲ ኣቦኦም እናትደፍአ ካብ መኪናኡ ክወርድን ብኻልእ መኪና ክውሰድን ዘርኢ ቪድዮ ስለ ዝረኣይዎ ስነኣእምሮኣዊ ማህሰይቲ ፈጢርሎም እዩ። ሓንሳእ ኣብ መደበር ፖሊስ ኪልማኒ ቃለይ ምስ ሃብኩ፡ ብድሕረኡ ምስ ሓለፍቲ ፖሊስ ክዘራረብ ኣይከኣልኩን" ትብል። ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል፡ ንልዕሊ 16 ኣዋርሕ ማእከል ሕድሕድ-ኲናት ኢትዮጲያ ኰይና ካብ ዘላ ትግራይ ዝውለድ እዩ። ንሱ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጲያን ኬንያን ዝግበር ንግዲ ነዳዲ ዝተዋፈረ ነጋዳይ እዩ። ኣብ ኬንያ ኸኣ ንዝሓለፈ 17 ዓመታት ምስ ስድራቤቱ ክነብር ጸኒሑ። መንግስቲ ኢትዮጲያ፡ ንሃለዋት ሳምሶን ዝግበር መርመራ ክቀላጠፍ ንኬንያ ተማሕጺኑ'ሎ። መንግስቲ ኬንያ ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ መርመራ ይገብር ከምዘሎ ከም ዝገለጸን፣ ክንዮኡ ግን ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዝሃበን ኣምባሳደር ኢትዮጲያ ኣብ ኬንያ ኣቶ መለስ ኣለም ገሊጹ። "ንኤምባሲ ዝተዋህበ መልሲ፡ እቲ ብፖሊስ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ክሳብ ዝውዳእ ክንጽበ እዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃበና ንጽበ ኢና ዘለና፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። መንግስቲ ኬንያ፡ ነዚ ጕዳይ ዝምልከት ብቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን ዘሎ። ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ከም ዝገለጽኦ፡ ዝሓለፈት ዓመት ኣብ ታሪኽ ታ' ሃገር፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ፡ ጭውያን ምስዋርን ውልቀሰባት ብብዝሒ ገኒኑ ዝተራእየላ ዓመት እያ። ፖሊስ ኬንያ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭውያን ምስዋርን ሰባት ኢድ ከም ዘለዎ ይኽሰስ። ኣፈኛ ፖሊስ ኬንያ ብሩኖ ሺዮሶ ግን ነዚ ክሲ ይነጽግ። ብኣንጻሩ፡ ፖሊስ ብዛዕባ ሃለዋት ሳምሶን ከም ዘይፈልጥን፡ ብወገኑ ነቲ ጕዳይ ይምርምሮ ከም ዘሎን ገሊጹ። "ንሕና ኣብዚ ዘለና'ኮ፡ ህዝቢ፡ ኵሎም ዜጋታትን ዝዀነ ኣብ ክሊ ግዝኣት 'ዛ ሃገር ዘሎን ሰብ ድሕነቱ ንምሕላው እዩ። ሰባት፡ ከምዚ ማእሰርቲ ዝመስል ነገር ቀሊል ክመስሎም ይኽእል እዩ። ዝተፈላለየ ሜላታት ዘለዎ ኣመና ረቀቕቲ ገበነኛታት ኣለውና። ስለዚ [ኣብዚ ጕዳይ ኢድ ዘለዎ] ፖሊስ ኣይኰነን፣ ፖሊስ ክኸውን'ውን ኣይግብኦን፡" ኢሉ። ኣብቲ ሳምሶን ክጭወ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ፡ ፖሊስ ትራፊክ ይርአ እዩ። ሚስተር ብሩኖ ብዛዕባኡ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣባሎም ምዃኑ ከም ዘለለዩን፣ እንተዀነ ንግቡእ ስራሕ ወፊሩ ከም ዝነበረን፣ "ካብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት መልኽትታት ይቕበልን፡ ከም ሓደ ግቡኡ ዝገብር ፖሊስ ከኣ፡ እቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር እንታይ ምዃኑ ክሓትት ጥራይ ኣብቲ ቦታ ቈይሙ ነይሩ፡" ድሕሪ ብምባል፡ "እቲ ኣባል ፖሊስ ንኽሕግዝ ወይ ንኽኣስር ኢሉ ኣይኰነን ኣብቲ ቦታ ዝነበረ" ክብል የነጽር። ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ ሳምንቲ፡ ገለ ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ኢትዮጲያውያን፣ ነጣጠፍቲን፡ ቤተሰብ ሳምሶንን ንሃለዋቱ ዝሓትት ናብ መንግስቲ ኬንያ ዝቐንዐ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም። እንተዀነ ክሳዕ ሕጂ፡ ዝዀነ ዝተባህለ ነገር የለን። ምብጻሕ ፕረዚደንት ማሕሙድ ዝቐልዖ ህላወ ኣሽሓት ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ታዕሊም ክወስዱ ዝጸንሑ ዝተባህሉ ወተሃደራት ሃገሩ ኣመሪቑ። ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻደ ዕለተ ምምራቕ፡ ተዓለምቲ ምርኢት ወተሃደራዊ ሰልፊ ከካይዱ እንከለው፣ እቲ ፕረዚደንት’ውን ነቶም ወተሃደራት "ኣብ ምምዝዛም ስልጠና ምብጻሕኩም እንቋዕ ሓጐሰኩም" ከም ዝበሎም ተገሊጹ። እቲ መመረቕታ ኣበይ ከምዝበረ ግን ብንጹር ዝተገልጸ የለን። እቲ ሓድሽ መራሒ ሶማልያ ብሰኑይ'ውን ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብምብጻሕ ምስቶም ኣብ ባጽዕ ዝስልጥኑ ዘለዉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ ተራኺቡ። ኣብቲ ብፕረዚደንት ኤርትራ ተሰንዩ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ብጃላቡ ዝተዓጀበ ወተሃደራዊ ምርኢት ባሕረኛታት ሶማልያ ተዓዚቡ። ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጉዳይ ናብ ኤርትራ ተላኢዀም’ዮም ዝተባህሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያውያን ወተሃደራት ሓያሎ ክትዓት ከልዕል ጸኒሑ እዩ። እዚ ኣጋጣሚ ስነሰርዓት ምረቓ'ኸኣ ነዚ ኣካታዒ ዝጸንሐ ጉዳይ ህላወ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ መዕለቢ ገይሩሉ'ሎ። እዚ ብፍላይ ድሕሪ ምጅማር ኤርትራ ዝተሳተፈትሉ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሶማልያ ኣብ ሞንጐ ፖለቲከኛታትን ስድራቤት ደሃዮም ዘይተፈልጠ ወተሃደራትን ከቢድ ወጥሪ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር። ተቓወምቲ ፕረዚደንት ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ እቶም ወተሃደራት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብምልኣኽ ኣብ ኲናት ክሳተፉ ገይሩ ኢሎም ክነቕፍዎ እንከለው፡ ነዚ ስዒቡ ብዙሓት ኣደታት ሶማልያ ብዛዕባ ደቀን ክሓታ ጀሚረን። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓይልታት ትግራይን ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ኣብቲ ኲናት ተሳቲፎም’ዮም ዝብል ስምዕታ ከቕርቡ ጸኒሖም’ዮም። እንተዀነ፡ መንግስቲ ሶማልያ ነዚ ክነጽጐ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ ካብ ስልጣን ዝወረደ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፡ ስልጣኑ ከረክብ እንከሎ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ይወስዱ ከም ዘለው ነቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣረጋጊጽሉ። ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ዝወሰዱ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም’ዮም ይብል። እዚ ባይቶ፡ ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ትዅረት ኣብ ዝገበረ ጸብጻቡ እቶም ኣብ ስልጠና ዝነበሩ ወተሃደራት ኣብቲ ኲናት ከም ዝተወስዱን ኣብ ከተማ ኣክሱም ከም ዝነበሩን ዝገልጹ መረዳእታታት ከም ዝረኸበ ይጠቅስ። ምኽትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ሶማልያ ዝነበረ ዓብዱሰላም ጉለድ ብወገኑ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ስልጠናኦም ዝወድኡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ከም ዝተሳተፉን ብዙሓት ከም ዝሞቱን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ። ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዝነበረ ዑስማን ኣቡከር ዱቤ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ክስታት ብምንጻግ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብቲ ኲናት ኣይተሳተፉን ምባሉ ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ’ውን፡ ነዚ ክሲ ከም ዝነጸጎ ጸብጻብ ቡሉምበርግ የመልክት። ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ ወተሃደራት ሃገሩ ከም ዝተረኽበ ተሌቪዥን ኤርትራ ሓቢራ። ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል’ውን፡ ካብ ሞንጐ እቶም ተመረቕቲ ንሰለስተ ዓመታት ታዕሊም ክወስዱ ዝጸንሑ ወተሃደራት ከም ዝርከብዎም ብምግላጽ ዝተፈላለዩ ኣሳእል ኣብ ትዊተር ጠቂዑ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ታዕሊም ከም ዝወድኡ፡ እንታይ ዓይነት ስልጠና ከም ዝወሰዱ፡ መዓስ ናብ ኤርትራ ከም ዝኸዱን መዓስ ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱን ዝምልከት ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የለን። ተሌቪዥን ኤርትራ ንኣዛዚ ሰልጠንቲ ጠቒሳ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጸብጻብ ግን፡ “ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ኣብ ምርግጋጽ ሓያልን ጥምርትን ሶማልያ ክሰርሕሉ” እዮም ኢላ። ፕረዚደንት ነበር ፋርማጆ’ውን፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወተደራት ሶማልያ፡ “ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ምስ ሰራዊት ሶማልያ ተጸንቢሮም ንኣልሸባብ ክዋግኡ’ዮም” ኢሉ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ'ውን፡ ኣብ ኤርትራራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ክምለሱ'ዮም ኢሉ ነይሩ። 5 መስከረም 2018 ኣብ ኤርትራ ዝተራኸቡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማልያን ነበር መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆን ሓቢሮም ንምስራሕ ስሉሳዊ ስምምዕ ምኽታሞም ይዝከር። እቲ ስሉሳዊ ስምምዕ፡ ጂኦግራፍያዊ፡ ታሪኻዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ሓባራዊ ረብሓታት ሰለስቲአን ሃገራት ዘማእከለ ከም ዝኾነ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ኣመልኪቱ ነይሩ። በዚ መሰረት፡ እቲ ስምምዕ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ባህላውን መዳያት ክሓብራን፡ ዞባዊ ጸጥታን ደሕነትን ውሑስ ንምግባር ሓቢረን ክሰርሓን ዝጥምት እዩ። እቲ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ሕድሕድ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ዶባዊ መትከላትን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ብምኽባር ዝተገብረ ምዃኑ እቲ ኣብቲ እዋን ዝተወሃበ መግለጺ የመልክት። ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ሃገራት ኬንያ፡ ሶማልያን ኢትዮጵያ ብሰንኪ እዚ ዘሎ ደርቂ 13 ሚልዮን ሰባት ንብርቱዕ ጥምየት ተቓሊዖም ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ። ሶማሊያ፡ ኣልሸባብ 170 ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ቀቲለ ኢሉ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያ ካብ ዘለዉ ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ልዕሊ 170 ከም ዝቐተለ ገሊፁ። እቲ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ዓቀብቲ ሰላም ልዕሊ 170 ብሩንዳውያን ወተሃደራት ከም ዝቐተለ ኣፍሊጡ። እቶም ዜጋታት ብሩንዲ ዝኾኑ ወተሃደራት ኣካል እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዓቃቢ ሰላም ኮይኖም’ዮም ናብታ ሃገር ተዋፊሮም። ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ መግለፂኡ፡ ንወተሃደራዊ መዓስከር ሕብረት ኣፍሪቃ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቖጻጸረ’ውን ሓቢሩ’ሎ። እቲ ወተሃደራዊ መዋፈሪ ካብ ዋና ከተማ እታ ሃገር ሞቓዲሾ ንኣንፈት ሰሜን-ምብራቕ ልዕሊ 100 ኪሎ ሜትር ዝርሕቕ ኮይኑ፤ እቶም ወተሃደራት ዝዓስከሩሉ ነይሩ። ኣልሸባብ ፈጺመዮ ዝብሎ ዘሎ ቅትለት ልዕሊ 170 ወተሃደራትን ምቁጽጻር ወተሃደራዊ መዋፈርን ግን ካብ ዘይሻራዊ ኣካል ምፅራይ ኣይተኽኣለን። ድምጺ ከበድቲ ኣጽዋርን ካብ ሄሊኮፕተራት’ውን ተኹሲ ኣጽዋርን ይስማዕ ከም ዝነበረ ግን መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም። ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣንፃር ማእከላይ መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ ዘካይዶ ኲናት ናይ ቦምባታትን ጠበንጃታትን መጥቃዕቲታት ብቐጻሊ ከም ዘካይድ ይፍለጥ። ኣመሪካ መራሕቲ ሶማሊያ ንዘለዎም ፍልልያት ክፈትሑ ጸዊዓ ኣመሪካ ፕሬዝደንትን ቀዳማይ ሚኒስትርን ሶማሊያ ንስለ ምርግጋእ እታ ሃገር ፍልልያቶም ንክፈትሑ ጸዊዓ። እታ ሃገር "ዝጀመረቶ መስርሕ መረጻ ቐልጢፍካ ንምዝዛም" ምትሕብባር መራሕቲ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ሕብረት ፕሬዝደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆን ቐዳማይ ሚኒስትር ሑሴን ሮብለን ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ኢላ። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ኣተኣላልያ ምስዋር ኣባል ስለያ እታ ሃገር ዝነበረት ብዝተፈጥረ ኣፈላላይ ክሰሓሓቡ እንከለው፡ እዚ እቲ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ መረጻ ንከይተኣጓጎል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕሬዝደንት ፋርማጆ ላዕለዋይ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ገዲበዮ ኣለኹ ዝብል መምርሒ ምስ ኣመሓላለፈ ምስሕሓብ ክልቲኦም መራሕቲ ተጎሃሂሩ። እዚ መዝነት ናይ ምሃብ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ዝድርት ውሳነ ኮይኑ፡ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር እቲ ውሳነ "ሕጋዊ ኣይኮነን" ክብል ነጺጉዎ። ጓል 25 ዓመት ኢክራን ታህሊል ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ገዝኣ ብመኪና ምስወጽአት’ያ ደሃያ ጠፊኡ። መንግስቲ፡ ታህሊል በቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክባት ዘለዎ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ከም ዝተጨወየትን ከም ዝተቐተለትን ይገልጽ። ኣል-ሸባብ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ክልቲኦም መራሕቲ ተወሳኺ ጎንጺ ዘለዓዕሉ መግለጽታት ወይ ተግባራት ከወግዱን ንሓድሕዶም ዝህቡዎ ሽመትን ስልጣኖምን ዘለዎም ኣፈላላይ ብሰላማዊ መገዲ ክፈትሑን ንጽውዕ" ክብል ጠቒሱ። ሶማሊያ ካብ 1 ጥቅምቲ ክሳብ 25 ሕዳር 2021 ዓ.ም ባይቶኣዊ መረጻ ክተካይድ መደብ ሒዛ ኣላ። ኣመሪካ እዚ መረጻ እንተተደናጉዩ "ጎንጺ ክልዓልን ኣልሸባብን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታትን እታ ሃገር ንምንዓብ ባይታ ክረኽቡን ዝዕድም ክኸውን'ዩ" ክትብል ኣጠንቂቓ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ፡ ሓላፊ ትካል ስለያ እታ ሃገር ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ኣይሓዞን ብዝብል ካብ ስርሑ ደው ክብል ትእዛዝ'ኳ እንተኣመሓላለፈ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ግና ሓላፊ ጸጥታ ቤትጽሕፈቱ ክኸውን ብምሻም ናብ ስርሑ መሊሱዎ። ገለ ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር፡ ኢክራን ታሕሊል ብዛዕባ እቶም ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተወሰዱን ኣብ ኲናት ትግራይ ከም እተሳተፉ ዝንገረሎምን ወተሃደራት ሶማል እትፈልጦ ተኣፋፊ ሓበሬታ ስለ ዘለዋ ክትጠፍእ ከም ዝተገበረ ይኸስሱ። ንጉዳይ ምስዋር ኣባል ስልያ ዝነበረት ታህሊል ዘጻሪ ኮሚሽን ብፕረዚደንት እታ ሃገር ክቐውም’ኳ እንተተገበረ፤ ኣዲኣ ግን ነዚ ውሳነ ብምቅዋም እቲ ጉዳይ ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ሓቲታ። ክልተ ወተሃደራት ኡጋንዳ ኣብ ሶማልያ ንሞት ተፈሪዶም ሓሙሽተ ኣባላት ኣሚሶም [ሰላም ኣኽባሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ] ኮይኖም ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ኡጋንዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርኺ ነሓሰ ሓሙሽተ ሰላማዊ ሰባት ብምቕታል ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም። እቶም ክልተ ወተሃደራት ብሞት እንትፍረዱ፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ድማ ናይ 39 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም። እቶም ሰለስተ ማእሰርቶም ኣብ ኡጋንዳ ክቕጽሉ ናብታ ሃገር ተመሓላሊፎም ክወሃቡ እዮም ድማ ተባሂሉ። ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝብሎ፡ እቶም ነበርቲ ጎልወይን ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ መንጎ እቶም ዓቀብቲ ሰላምን ዕጡቓት ኣልሻባብን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ እዮም ብዘይሕጊ ተቐቲሎም። ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል ኣኽባሪ ሰለም ሕብረት ኣፍሪቃ [ኣሚሶም] ኣብ ሶማልያ ንልዕሊ 14 ዓመት ተዋፊሩ ጸኒሑ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ሰፊሕ ግዝኣት ከምዝተቖጻጸሩ ዝንገረሎም ዕጡቓት እስላማዊ ኣልሻባብ እናተዋግኡ እዮም ጸኒሖም። ካብቶም 20 ሽሕ ወተሃደራት እቲ ዓቃቢ ሰላም፡ ዳርጋ እቶም ሰለስተ ኢድ ዝኾኑ ካብ ኡጋንዳ ከምዝኾኑ እዩ ዝንገር። እቲ ፍርዲ ዝሓለፈ ቀዳም ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ዝተውሃበ እዩ። እዚ ድማ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰላም ናይ ምኽባር ወፍሩ ኣብታ ሃገር ኣስፊሑ ክቕጽል ምስ ሓተተ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እዩ ዝኸውን ዘሎ። ሕብረት ኣፍሪቃ ፡ እቲ ኣጠናኺሩ ክቕጽለሎ ዝሃቀኖ ናይ ሰለም ምኽባር ስራሕቲ ናብ ተግባር ንምእታው ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብ መንግስቲ ሶማልያን ምላሽ ይጽበ ኣሎ ተባሂሉ። ኮማንደር ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ኡጋንዳ ብርጌደር ጀነራል ናባሳ፡ “ኣብ ሶማልያ ዘለና ተልእኾ ንዕጡቓት ኣልሻባብን ካልኦት ዕጡቓትን ዒላማ ዝገበረ እዩ። ህይወት ሰላማውያን ሰባት ውሑስ ናይ ምግባር ሓላፍነት ድማ ኣለና” ኢሉ ኣብ መግለጺኡ። ገለ ስድራታት እቶም ግዳያት ነቲ ኣብ ሞቃዲሾ ዝወዓለ መጋባእያ ከምዝተኸታተሉ ቪኦኤ ጸብጺቡ። ሑሴን ዖስማን ዋሱግ ዝተብሃለ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራ ዝተቐትሉ ሰባት፡ “በቲ ናይቲ ቤት ፍርዲ ብይን ሕጉሳት ኢና። ነቶም ስድራ ግዳያት ድማ ግቡእ ካሕሳ ክረኽቡ ትጽቢት ንገብር” ኢሉ። ንሱ ንሓደ ናይ ውሽጢ ዓዲ መራኸቢ ብዙሃን ከመዝበሎ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ኣባላት ስድራን ሽድሽተ ወተሃደራት ኡጋንዳን ኣብ ሕጊ ቀሪቦም መስኪሮም እዮም። ምክትል ፕረዝደንት ሶማሊላንድ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ ምክትል ፕረዝደንት ሶማሊላንድ ዓብድራሓማን ሳይሊሲ፡ ብኮሮናቫይረስ ምልካፉ ብምርመራ ከምዘረጋገፀ ኣፍሊጡ። እቲ ምክትል ፕረዝደንት ትማሊ ብመገዲ ትዊተር ከምዝሓበሮ፡ "ህዝቢ ሶማሊላንድ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሓመምኩ ክሕብረኩም እደሊ” ኢሉ። ህዝቢ፡ ብሰብመዚ ጥዕና ዝተቐመጡ መምርሕታት ኮቪድ-19 ከኸብሩን፡ ንዑ ድማ ክፅልይሉን ተማሕፂኑ። ሶማሊላንድ፡ ድሕሪ መሪር ኲናት ሕድሕድ ፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶማልያ ፡ ኣብ 1991 ካብ ሶማልያ ብምፍላይ ብባዕላዊ ውሳነ ከም ሃገር ከምዝኣወጀት ይዝከር። እንተኾነ፡ እታ 3.5 ሚሊየን በዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሶማሊላንድ፡ ዛጊድ ብደርጃ ዓለም ኣፍልጦ ኣይረኸበትን ዘላ። ኬንያ በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሶማሊያ ክትኽልክል ምዃና ኣጠንቂቓ ኬንያ፡ ንበረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሓዊሱ ኩሎም በረራታት ሶማሊያ ክትኽልክላ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ። ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኬንያ ናብ ዲፕሎማሲያዊ ልኡኽ ሶማሊያ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ኬንያ ካብ ሶማሊያ ዝግበሩ በረራታት ኣጊዳ እናሃለወት በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይኣግባብ “ንክልትኣውን ፖለቲካውን ጉዳያት” ተውዕሎ ኣላ ክብል ከሲሱ። ኣብ ቀረባ እዋን ኬንያ ካብ ሶማሊያ ዝግበር በረራታት ደው ከተብሎ እንከላ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘሳልጦ ልኡኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕሉ በረራታት ሕክምናዊ ሓገዛት ክጉዓዓዝ ጥራሕ ኣፍቂዳ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን “እቶም ንሰብአዊ ሓገዝ ዝግበሩ በረራታት ንርእሶም ብኣግባቡ ንሰብኣዊ ሓገዝ ጥራሕ ክውዕሉ ኣለዎም፤ ሶማሊያ’ውን መንግስቲ ኬንያ ስጉምቲ ሙሉእ ዕጽዋ ንክወስድ ካብ ዘገድዱ ተግባራት ክትቑጠብ ኣለዋ” ክትብል ኬንያ ኣጠንቂቓ። ብተወሳኺ እቲ ሚኒስትሪ ኣቐዲሙ ኩሎም በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ መውጽኢ ፍቓድ ምርካቦም ዘረጋግጽ ሰነድ ክቐርብን ዝርዝር ተጉዓዝን እቲ ዝጽዓን ኣቕሓን’ውን ክቐርበሉ ከም ዘለዎ ጠቒሱ። ኬንያን ሶማሊያን ንነዊሕ እዋን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ውጥጥ ኣትየን ምጽንሐን ይፍለጥ። ብፍላይ ሞቓድሾ ንኬንያ ኣብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ካብ እትኸሳ ንነጀው ካብ 2014 ጀሚሩ ብዶብ ሓይሊ ባሕሪ ክዋጠጣ ጸኒሐን። ብተወሳኺ ሶማሊያ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020 ኬንያ ንምምሕዳር ብኸፊል ሉእላውነታ ዝኣወጀት ምምሕዳር ዞባ ጁባላንድ ብምድጋፍ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሃገራ ኢድ ተእቱ ኣላ ብምባል ምስ ኬንያ ዝነበራ ዲፕሎማኢያዊ ርክብ ክሕርፍፈ ገይራ እያ። ብ6 ግንቦት 2021 ከኣ ብሸምጋልት ኳታር ክልትኣዊ ርክበን ናብ ንቡር ምምላሱ ክግለጽ እንከሎ፡ ድሕሪ ሰሙናት ግን ኬንያ በረራታት ሶማሊያ ኣጊዳ። ኬንያ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ዳግም ከም ዝተቛረጸ ብምግላጽ ምስ ሶማሊያ ዘራኽባ ክሊ ኣየር ከም ዝተዓጽወ ትገልጽ። ኣዳላዊት ዋንጫ ኣፍሪቃ ካሜሩን ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ ኣዳላዊት ጽዋዕ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ካሜሩን ብፍጹም ቅላዕ ንቡርኪናፋሶ ብምስዓር ሳልሳይ ኮይና ውድድራ ዛዚማ፡፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ግጥም ካሜሩን ብቡርኪናፋሶ 3 ን 0 እናተመረሐት ጸኒሓ፡ 3 ሸቶታት ብምምዝጋባ ብፍጹም ቅላዕ ክፈላለያ ተገይሩ፡፡ ካሜሩን ድማ ተዓዋቲት ኮይና፡፡ ስቲቭ ያጎ፣ ጂብሪል ኦታራን ካሜሩናዊ ኣንድሬ ኦናና ናብ ናይ ባዕሉ ልዳት፣ ብዘእተዉወን ሸቶታት ቡርኪናፋሶ 3 ን 0 እናመረሐት ነይራ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ዝተጻወተት ሃገራዊት ጋንታ ካሜሩን፡ ስቴቨን ባሆከንን ብዘቑጸራ ሓንቲ ሽቶን ብናይ ቪንሰንት ኣቡበከር ክልተ ሸቶታትን ማዕረ ክትከውን ክኢላ፡፡ ስሩዕ ናይ 90 ደቒቓ ጸወታ ምስተዛዘመ፡ እተን ጋንታታት ብዘይ ተወሳኺ ሰዓት ብፍጹም ቅላዕ ክፈላለያ ተገይሩ፡፡ እቲ ፍጻመ ነቶም ን49 ደቓይቕ ነቲ ጸወታ ቀሊሶም ዝጸንሑ ተጻወትቲ ቡርኪናፋሶ ዘሕዝን ነይሩ፡፡ ናይ ሓሙሽተ ግዘ ተዓዋቲት ዋንጫ ኣፍሪቃ ካሜሩን ኩለን ፍጹም ቅላዓት ናብ ሸቶ ብምቕያር ነቲ ውድድር ሳልሰይቲ ኮይና ዛዚማቶ ኣላ፡፡ ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ናይ ፍጻመ ጸወታ፡ ኣብ ሸውዓተ ግጥማት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ዝሓዘት ግብጺ ምስ ሰኔጋል ክትጻወት እያ፡፡ ቐጠር፡ ብሰንኪ ደሞዝ ተቓውሞ ዘስምዑ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ተባርር ኣላ ቐጠር ዝመጽእ ሕዳር ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ብሰንኪ ዘይተኸፍለ ደሞዝ ተቓውሞ ዘስምዑ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ካብ ሃገራ ኣባሪራቶም። ብውሑዱ 60 ሰራሕተኛታት፡ ብ14 ነሓሰ ኣብ ኣፍደገ ኣብያተ ጽሕፈት ኣል ባንዳሪ ኢንተርናሽናል ግሩፕ ወጺኦም - ገሊኦም ን7 ኣዋርሕ ደሞዞም ከምዘይተኸፍሉ ተቓውሞ ኣስሚዖም። በዝሖም ክንደይ ምዃኖም'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ብርክት ዝበሉ ሰልፈኛታት ተኣሲሮም፡ ገሊኦም ድማ ካብታ ሃገር ተሰጒጎም ኣለዉ። መንግስቲ ቐጠር፡ እቶም ካብታ ሃገር ዝተሰጎጉ፡ "ሕግታት ጸጥታ ጥሒሶም" ክብል ገሊጹ። ቐጠር ኣብ 2010 ዋንጫ ዓለም ክተዳሉ ካብ እትሕረ ንደሓር - ኣብ መላእ ሃገር ማዕበል ህንጸት ስታድዩማትን ትሕተ ቕርጽን ዘበገሰት ኰይና፡ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛ ሰራሕተኛታት ዘለዋ ኣተሓሕዛ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ። ኣልባንዳሪ ኢንተርናሽናል ግሩፕ፡ ብቐንዱ ኩባንያ ህንጻን ምህንድስናን እዩ። እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ንጥፈታት ምድላው ዋንጫ ዓለም ተሳቲፎም ድዮም ኣይኮኑን ዘይተፈልጠ ኮይኑ፡ ኣዳላዊት ኮሚተ፡ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ። መንግስቲ ቐጠር፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ ኣብቲ ኣብ ዶውሓ ዝተወለዐ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት፡ ሕግታት ህዝባዊ ድሕነት ብምጥሓሶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣረጋጊጹ። ውሑዳት ካብቶም "ሰላማዊ ኰይኖም ክቕጽሉ ዘይከኣሉ" ምስጓግ ከምዘጋጥሞም ክፍለጥ እንከሎ፡ ገለ ገለ ድሮ ካብታ ሃገር ወጺኦም ከምዘለዉ ተጣበቕቲ መሰላት ይዛረቡ። መንግስቲ ቐጠር፡ ነቶም ዝተበደሉ ሰራሕተኛታት፡ ዝተደናጐየ ደሞዝን ጥቕምታትን ከምዝኸፍሎም ገሊጹ ኣሎ። ኩባንያ ኣልባንዳሪ፡ ንሰራሕተኛታቱ ደመወዝ ብዘይምኽፋሉ መርመራ ይካየደሉ ከምዘሎን፡ እቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝተዋህበ ገደብ ግዜ ድሕሪ ምሕላፉ ድማ፡ተወሳኺ ስጒምቲ ይውሰድ ከምዘሎን መንግስቲ ገሊጹ። ጉዳይ እቶም ሰራሕተኛታት፡ ኢኲደም ብዝተባህለ ኣብ መሰላት ዕዮ ዝነጥፍ ትካል ሰብኣዊ መሰላት እዩ ቆላሕታ ረኺቡ። ሓላፊ እቲ ትካል፡ ሙስጠፋ ቓድሪ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኩላት ዲና ብቐጠርን ፊፋን ተታሊልና?" ክብል ሓቲቱ። "ኣብ ቐጠር፡ ኣብታ ሰባት ሓሳቦም ብምግላጾም ትቐጽዕ ሃገር፡ ዋንጫ ዓለም ምክያድ ሞራላዊ ጸገም ከምዘየለ ክነግሩና ጸኒሖም'ዮም"። እቶም ተቓውሞ ዘስምዑ ሰራሕተኛታት ካብ ባንግላድሽ፡ ህንዲ፡ ኔፓል፡ ግብጺን ፊሊፒንስን ከምዝኾኑ ሚስተር ቓድሪ ገሊጹ። ምስ ብዙሓት ካብቶም ሰራሕተኛታት ርክብ ዘለዎ ሚስተር ቓድሪ፡ ገለ ኣባላት ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት፡ ኣብ ውዑይ ኩነታት ኣየር ከምዚ ኣድማ ክገብሩ እንተኽኢሎም፡ ንሳቶም'ውን ብዘይ መዝሐሊ ኣየር ክድቅሱ ከምዝኽእሉ ከምዝነገርዎም ገሊጹ። ሚስተር ቓድሪ ወሲኹ፡ "እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ 42 ዲግሪ ዝውዒ ቦታ ተቓውሞ ከስምዑ ምኽኣሎም፡ ክሳብ ክንደየናይ ተስፋ ቈሪጾም ከምዘለዉ ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ፖለቲካ ዝነጥፉ ኣይኮኑን፡ ንጉልበቶም ጥራይ እዮም ክኽፈሉ ዝደልዩ" ኢሉ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ቢቢሲ ዓረብ፡ ቐጠር ብሰንኪ ሙቐት ዝሞቱ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት በዝሖም ነክያ ትሕብር ከምዘላ ዝገልጽ ክስታት ኣቕሪቡ ነይሩ። ዓለምለኸ ትካል ኩዕሶ እግሪ - ፊፋ፡ "ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ዘጋጠሞም ስደተኛ ሰራሕተኛታት ብውሑዱ 440 ሚልዮን ዶላር (350 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ማዕከን ካሕሳ ከቕውም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ተነጊርዎ ነይሩ። ወሃቢ ቓል ኣሰናዳኢት ኮሚተ ዋንጫ ዓለም ቐጠር፡ ብዛዕባ ኣልባንዳሪ ርእይቶ ክህብ ኣይደለየን። ጒጅለ ኣልባንዳሪ'ውን ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ርእይቶ ወይ መልሲ ኣይሃበን። መንግስቲ ቐጠር፡ 96% ካብቶም ሕጋዊ ሰራሕተኛታት በቲ ዘሎ ስርዓተ ደሞዝ ዝኽፈሉ ምዃኖምን እዚ ድማ ካብቲ ደሞዝ ዝወሃበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ብመንገዲ ባንክታት ቐጠር ከኸፍሉ ዘገድድ ምዃኑን፡ ኣብቲ መስርሕ ዘሎ ሃጓፍ ድማ ይእለ ከምዘሎ ገሊጹ። ቱር ዲ ላቫኔርን ህሉው ኵነታት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን እቲ ብሓሙስ ብፕሮሎግ ዝጀመረ መበል 58 ቱር ዲ ላቫኔር፡ ራብዓይ መድረኹ ሎሚ ከካይድ’ዩ። እዚ መድረኽ ቱር ላቫኔር፡ ካብ ሰይንት ሰቨር ሰር ኢንደረ ተበጊሱ፡ ኣብ ቻይላክ ዝዛዘም 142.8 ኪሎ ሜተር እዩ ክሽፍን። ብሽዱሽተ ተጻወትቲ ውድድራ ዝፈለመት ብሙሴ ኣስሄል እትስልጥን ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ሴላ ወልደሚካኤልን፣ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመተ 2022 ኣብ ምድብ ትሕቲ 23 ዓመት ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ፡ ኣብ ናይ ኢሊት ከኣ ተዓዋቲ ነሓስ መዳልያ ዝዀነ ንያት ርእሶምን ብሰንኪ ዘጋጠሞም መውደቕቲ ጸወታ ስለዘቋረጹ፡ ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ራብዓይ መድረኽ ብኣርባዕተ ተቐዳደምቲ’ያ ክትጻወት። ኣብ መኽፈቲ ፕሮሎግ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር፡ ጋንታታት ንዝተሰርዓለን 3.9 ኪሎ ሜተር፡ ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ንውድድራ ብ3 ደቂቕን 51 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ኖርወይን ብሪጣንያን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኰይነን ውድድረን ዛዚመን። ኣብቲ ኣጋጣሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብ ቀዳመይቲ 53 ካልኢት ድሒራ ብምእታው መበል 26 ብምዃን ውድድራ ዛዚማ። ብዓርቢ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ቱር ዲ ላቫኔር፡ 121.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ኰይኑ፡ ኖርወጃዊ ሶረን ቀዳማይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ፤ ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ደንማርክ ሰበስትያን ቻንግዚ ካልኣይ፡ ብሪጣንያዊ ሳም ዋትሰን ከኣ ሳልሳይ ኰይኖም ኣትዮም። ኣብ ቀዳማይ መድረኽ፡ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናሆም ዘርኣይ ሓንቲ ካልኢት ድሒሩ መበል 82፡ መሓሪ ተወልደን ሚልክያስ ቅዱስን 6 ደቂቕን 53 ካልኢትን ድሒሮም መበል 128 ከምኡ’ውን 129፣ ኤፍሬም ገብረህይወትን ንያት ርእሶምን 8 ደቂቕን 28 ካልኢትን ድሒሮም መበል 149 ከምኡ’ውን 150፡ ሴላ ወልደሚካኤል 9 ደቂቕን 42 ካልኢትን ድሒሩ መበል 154። ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ መድረኽ ቱር ዲ ላቫኔር ካብ በኔት ናብ ሲቭራይ ዝዝርጋሕ 142.8 ኪሎሜተር ንዝነበሮ ውድድር፡ ሆላንዳዊ ቫን ኡደር ካስፐር ክዕወተሉ እንከሎ፡ ደንማርካዊ ሰበስትያንን ብሪጣንያዊ ሳሙኤል ዋትሶንን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ኣትዮም። ኣብቲ መድረኽ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ሚልክያስ ቅዱስ ግዜ ከይከሰረ መበል 28፡ ኤፍሬም ገብረህይወት ብተመሳሳሊ ሰዓት መበል 37፡ መሓሪ ተወልደ ብተመሳሳሊ ሰዓት መበል 81፡ ናሆም ዘርኣይ ብተመሳሳሊ ሰዓት መበል 101 ንያት ርእሶም መበል 118 ከምኡ ኸኣ ሴላ ወልደሚካኤል 6 ደቂቕን 25 ካልኢት ድሒሩ መበል 154 ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ 153.5 ኪሎ ሜተር ርሕቐት ዝነበሮ ኰይኑ፡ ነቲ መድረኽ ደንማርካዊ ኣዳም ሆልም ክዕወተሉ እንከሎ፡ ተጻዋታይ ጋንታ ርሆን ኣልፐስ ጆርዳን ላብሮስን ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ቸክ ሪፓብሊክን ፔተር ከለመን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም። ኣብዚ መድረኽ ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኤፍሬም ገብረህይወት 4 ካልኢት ድሒሩ መበል 40፡ ናሆም ዘርኣይ ብተመሳሳሊ ሰዓት መበል 87፡ መሓሪ ተወልደ 1 ደቂቕን 21 ካልኢትን ድሒሩ መበል 115፡ ሚልክያስ ቅዱስ ብ7 ደቂቕን 37 ካልኢትን ድሒሩ መበል 132 ኰይኖም ክዛዝሙ እንከለዉ፡ ሴላ ወልደሚካኤልን ንያት ርእሶምን ውድድሮም ክዛዝሙ ስለዘይከኣሉ ካብ ጸወታ ተገሊፎም። ሎሚ ዝካየድ ራብዓይ መድረኽ ቱር ዲ ላቫኔር ካብ ሰይንት ሰቨር ሰር ኢንደረ ተበጊሱ ኣብ ቻይላክ ዝዛዘም 142.8 ኪሎ ሜተር እዩ ክሽፍን። ክሳብ ሕጂ ተኻየዱ ካብ ዘሎ ውድድር፡ ብጫ ማልያ ኣብ ዝባን ተቓዳዳማይ ፈረንሳዊት ጋንታ ርሆን ኣልፐስ ጆርዳን ላብሮስ ኣላ። ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብ ብጫ ማልያ ብ4 ካልኢት ጥራይ ድሒሩ ኣብ መበል 85 ተሰሪዑ ዘሎ ኖሆም ዘርኣይ እቲ ዝሓሸ ግዜ ኣመዝጊቡ ዘሎ እዩ። ሆላንዳዊ ቫን ኤድበር ካስፐን ብ45 ነጥቢ ንቐጠልያ ማልያ ወኒንዋ ኣሎ። ንኣንበሳ ዓቐብ ኣብ እትወሃብ ማልያ ጆርዳን ላብሮስ ብ3 ነጥቢ ወኒንዋ ኣሎ። ብጋንታ ኸኣ ሆላንድ፡ ኖርወይን ብሪጣንያን ብቕድም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተሰሪዐን ኣለዋ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ኢኳዶር ጥራይ በሊጻ ኣብ መበል 26 ተሲረዓ ኣላ። ቱር ዲ ላቫኔር ዓመታዊ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ውድድር ኰይኑ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ እንኮ ኣብዚ ውድድር ትወዳደር ዘላ ሃገራዊት ጋንታ እያ። ኤርትራ፡ ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኣ’ያ ብደረጃ ሃገራዊት ጋንታ ትሳተፍ ዘላ። ብኽልተ ፍሉጣት ጋንታት ኩዕሶ እግሪ እትልለ ከተማ ማንቸስተር ጸወታታት ፕርምየር ሊግ ዓዲ ኢንግሊዝ ካብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ተኸታታሊ ኣፍቃሪ ኩዕሶ እግሪ ዘለዎ እዩ። ካብቶም ኣብቲ ፕርምየር ሊግ ብርቱዕ ንሕንሕ ዘካይዳ ጋንታታት ከኣ ማንቸስተር ስቲን ማንቸስተር ዩናይትድን’የን። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግርኛ ተስፋኣለም ኣርኣያ ናብ ከተማ ማንቸስተር ተንቀሳቒሱ ነይሩ። ግምት ጸወታታት ፕሪሜር ሊግ እዚ ሰሙን ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንገሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምጅማሩ ዝዝከር ኮይኑ። ኣብ ፈለማይ ጸወታ ኣርሴናል፤ ቶተንሃም፤ ማንቸስተር ሲቲ፡ ኒውካስልን ቸልስን ዝርከበአን ሸሞንተ ጋንታት ዓወት ከመዝግባ እንከለዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጽቡቕ ዘይነበረት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ፈላማይ ጸወታኣ ኣብ ሜድኣ ብብራይተን ክትስዓር እንከላ ሊቨርፔል ምስ ፉልሃም ማዕረ ተፈላልያ ነይራ። ካልኣይ ሰሙን ጸወታ ፕሪሜርሊግ ዝምልከት ተንታኒ ቢቢሲ ስፖርት ክሪስ ሲቶን ዝሃቦ ግምታት ይስዕብ ኣስቶን ቪላ - ኤቨርተን ቀዳም ጸወታ ካብ ዘካይዳ ኣስቶን ቪላን ኤቨርተንን፡ ኤቨርተን ነቶም ኣብዚ ወቕቲ ዘፈረመቶም ኮኖር ኮዲን ኣማዱ ኦናን ከተስልፎም ትጽቢት ይግበር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቸልሲ ዝተሰዓረት ኤቨርተን ኣብ ናይ ቅድሚት መስመር ጸገማት ከምዘለዋ ተራእያ እያ። ኣብ ሓለፈ ሰሙን ኣስቶን ቪላ ብበርንማውዝ ክትስዓር ትጽቢት ዝገበረ ሰብ ኣይነበረን። እዘን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሰለስተ ነጥቢ ዝኸሰራ ጋንታት ኣብ ናይ ጽባሕ ጸወታ 1 ብ 1 ክፈላላያ ክሪስ ይግምት። ኣርሴናል - ሌሲስተር ሲቲ ሎሚ ዓመት ዋላ ሓደ ተጻዋታይ ዘየፈረመት ሌስተር ሲቲ ምስ ኣርሴናል ዝህልዋ ጸወታ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 2 ብ 0 ክትመርሕ ጸኒሓ ማዕረ ምፍልላያ ዘይተወሓጠሉ ኣስለጣኒ ብሬንዳን ሮጀርስ፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ነጥቢ ዝውሓሰት ኣርሴናል ንምስዓር ጽባሕ ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር እዩ። ብጋብርኤል ጄሱስ ዝምራሕ መስመር መጥቃዕቲ ኣረሴናል ግን ጽባሕ’ውን ንሌስትር 2 ብ 1 ክስዕራ ግምት ኣሎ። ማንቸስተር ሲቲ- በርንማውዝ ማንቸስትር ሲቲ ምስ በርንማውስ ኣብ ዝህልዋ ጸወታ፡ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝበዝሐ ሸቶታት ክምዝገበሉ ዝኽእል ጸወታ ኮይኑ ተገሚቱ ኣሎ። ኣብዚ ወቅቲ እዚ ናብ ማንቸስትር ሲቲ ዝተሰጋገር ኤርሊንግ ሃላንድ ነዚ ጸወታ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘሎ ይመስል። በርንማውዝ ኣብ ምክፍፋፍ ኣድሂቦም ክጻወቱ እንተዘይክኢሎም ኣብ ሓደጋ ክወድቑ እዮም። እቲ ጸወታ ግን ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ 6 ብ 0 ክዛዝም ከምዝኽእል እዩ ክሪስ ሲቶን ግምቱ ኣስፊሩ። ብረንትፎርድ - ማንቸስትር ዩናይትድ እቲ ካልእ ኣብ ቀዳም ዝካየድ ጸወታ ኣብ ሞንጎ ብረንትፎርድን ማንቸስትር ዩናይትድን ኮይኑ፡ ኣብ ካልእ እዋን እንዝኸውን እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብራይተን ኣብ ሜድኣ ዝተሰዓረት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ልዕሊ ብረንትፎርድ ሕነ ክትፈዲ’ያ ምተብሃለ ሕጂ ግን ኣይከምኡን’ዩ። ምኽንያቱ እታ ጋንታ ብዙሕ ሃጓፋት’ዩ ዘለዋ፡ ብሃሪ ማጓየር ሊሳንድሮ ማርቲነዝን ዝምራሕ መስመር ምክልኻል ማንቸስተር ኣብዚ ጸወታ ብዙሓት ኮዓሳሱ ከዙሩቕ ከምዝኽል ግምት ኣሎ፡ ግምት ክሪስ ሲቶን ንብዙሓት ደገፍቲ ማንቸስር ዩናይትድ ዘይከሐጉስ ይኽእል’ዩ፡ እንተኾነ እቲ ግምት ማንቸስተር ዩናይትድ 3 ብ 0 ክትስዓርያ እዩ ዝብል። ቸልሲ - ቶተንሃም ሰንበት ኣብ ሞንጎ ቸልስን ቶተንሃምን ዝካየድ ጸወታ እቲ ብዙሓት ብሃንቀውታ ዝጽበይዎ ጸወታ እዩ። ቸልሲ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዘካየደቶ ጸወታታት ዝለዓለ ዓወታት እያ ኣመዝጊባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ኳ ኣርባዐት ግዜ ስዒራታ። ካብ 1990 ክሳብ ሕጂ ቶተንሃም ኣብ ሜዳ ቸልሲ ሓንሳብ ጥራይ’ያ ዓወት ኣመዝጊባ። ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓወት ስለዘመዝገባ ምስ ፍናነን እየን ናብ ሜዳ ክኣትዋ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቸልሲ ንቶተንሃም ክትስዕራ እንከላ፡ ብኣንቶንዮ ኮንተ’ያ ትስልጥን ነይራ፡ ሕጂ ኣንቶንዮ ኮንተ ንቶተንሃም የሰልጥን ስለዘሎ ኣብ ሜዳ ቸልሲ 1 ብ 2 ክስዕር ግምት ተዋሂብዎ ኣሎ። ሊቨርፑል - ክሪስታል ፓላስ [ሰኑይ] ሰኑይ ሊቨርፑል ምስ ክሪስታል ፓላስ ኣብ እተካይዶ ጸወታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፉልሃም ማዕረ ብምውጻእ ዝኸሰረቶ ክልተ ነጥቢ ደቡሳ ኣብ ልዕሊ ክሪስታል ፓላስ 4 ብ 0 ክትስዕር ግምት ተዋሂብዋ ኣሎ። ብራይተን 1 ኒውካስል 1 ሳውዝሃፕተን 2 ሊድስ 1 ዎልቭስ 1 ፉልሃም 1 ኖቲንግሃም ፎረስ 1 ዌስት ሃም 2 ኤርትራ ብብሽክለታ ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም መበል 16 ደረጃ ተሰሪዓ ዩሲኣይ ናይ መበል 22 ሰ ሙን ዓመተ 2022 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብ3471 ነጥቢ ንደቡብ ኣፍሪቃን ኣልጀርያን ኣኸቲላ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ቀደማይ ደረጃ ተሰሪዓ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ነታ ብ1693 ነጥቢ ትስዕባ ዘላ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ1778 ነጥቢ ጸብለል ብምባል እያ ክብራ ዓቂባ ዘላ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ በዚ ዘዋህለለቶ ነጥቢ ተሓጊዛ ብደረጃ ዓለም ኣብ መበል 16 ተሰሪዓ ኣላ።\nሃገራዊት ጋንታ ቤልጂም 14707 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ክትስራዕ እንከላ ስሎቫንያን ፈረንሳን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ። ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ፍርቂ ተላዒልዋ ዘሎ ዓመተ 2022 ፡ 1546 ነጥቢ ብምውህላል ካብ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ክኸውን እንከሎ: ካብ ዓለም ካብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ካልኣይ ተሰሪዑ ኣሎ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትር ብደረጃ ኣፍሪቃ ምስ ቀዳሞት ሸሞንተ፡ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ሰሪዓ ኣላ። ካብ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ቢንያም ግርማይ ብ1546 ነጥቢ ቀዳማይ ክኽውን እንከሎ፡ደቡብ ኣፍሪቃዊ ቫን ረንስበርግ ብ 469 ካልኣይ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ተኸታቲሎም ሳልሳይን ራብዓይን ተሰሪዖም ኣለዉ። ብዘይካ እዚ መርሃዊ ቅዱስ፡ መትከል እዮብንዳዊት የማነን ኸኣ ካብ ሻዱሻይ ክሳብ ሻሙናይ ንዘሎ ተርታ ሒዘሞ ኣለዉ። ብዩሲኣይ ኣብ ዝካየድ ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲክ ውድድር በልጂማዊ ቫን ኣርት ብ2620 ቀዳማይ ክስራዕ እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ 1366 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ዓስራይ ሰረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ምድብ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዕድሚኦም ተቐዳደምቲ ቢንያም ግርማይ ንቤልጂማዊ ሬምኮ ኢቨንፖል ተኸቲሉ ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ዓይነት ውድድራት ስሎቭያዊ ታደጅ ፖካጋካር ብ5331 ነጥቢ ቀዳማይ ክስራዕ እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ መበል 21 ተርታ ተሰሪዑ። ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዓመተ 2022 ዝተፈላላየ ዓወታት’ዮም ሓፊሶም። ለላህመቱ’ኳ እንተጠቐስና፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ዙር ርዋንዳ እዚ ዓመት ከምኡ’ውን ኣብ ውድድር ኣድርያቲካ ኣዮኒካ ኣብ ናይ ግዜ ካልኣይ ከምኡ’ውን ኣንበሳ ዓቐበት እቲ ውድድር፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኣንገደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ምዃኑ ይዝከር። ናይ ቢንያም ግርማይ እንተተላዒሉ፡ እዛ ዓመት ቀዳዊቱ እያ ነይራ ክብሃል ይከኣል። ብ27 መጋቢት ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ገንት ወቨልገን ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታው ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ቦኽሪ ዓወት ውድድር ክላሲክ ከመዝግብ ክኢሉ እዩ። መዓስ እዚ ጥረይ፡ ኣብ 17 ግንቦት’ውን ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተዓዋቲ እቲ መድረኽ ብምዃን ኣብ ግራንድ ቱር ቀዳማይ ዝወጽአ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኻዊ ዓወት ኣመዝጊቡ ነይሩ። ኣብቲ ካብ 24-26 ሰነ 2022 ዝካየድ ቻምፕዮን ኤርትራ ካብ ኤርትራ ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ መርሃዊ ቅዱስን ካልኦት ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲን ክሳተፍዎ ትጽቢት ይግበር፡ እዞም ብደረጃ ዓለም ስሞም ግሉሕ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ ዝሳተፍዎ ውድድር ክሳብ ክንደይ መሳጢ ከምዝኸውን ብኣግኡ ተገሚቱ ኣሎ። ዋንጫ ዓለም 2022፡ ቐጠር ካብቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከፊላ ዘምጽኣቶም ደገፍቲ እንታይ’ያ ትጽበ? ቐጠር ኣብ ስታድዮም ኣል በይት ስነስርዓት መኽፈቲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብቲ ስታድዮም ብዙሕ ወናብር ጥራዩ እንከሎ፡ ዝተኸፈሎም ‘ናይ ሓሶት’ ደገፍቲ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ዶሓ ምልእ ኢሎም ምርአዮም ንብዙሓት ኣገሪሙ’ዩ። ቢቢሲ ብዛዕባ እዞም ዝተኸፈሎም’ዮም ዝተብሃሉ ‘ናይ ሓሶት’ ደገፍቲ ኣመልኪቱ ንምጽራይ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ቐጠር ንዋንጫ ዓለም ኣመኻንያ፡ ዝያዳ ጎሊሓ ንምውጻእ ትገብሮ ምህላዋ ክርዳእ ክኢሉ ኣሎ። ቐጠር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሕሉፋት ደገፍቲ ኵዕሶ እግሪ ንዝኾኑ ሰባት ናይ ኣየር ትኬት ከፊላ፡ ናይ ሆቴሎምን ካልእ ወጻኢታቶም ሸፊና’ያ ናብ ዓዳ ዓዲማቶም። ከምቲ ዝብሃል እዞም ‘ናይ ሓሶት’ ደገፍቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለምን ብዛዕባ እታ ሃገርን እወታዊ ክዛረቡን ንተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፋትን ምስልታትን ‘ላይክ’ ከምኡ ኸኣ ‘ሼር’ ክገብሩን ትጽቢት ይግበረሎም። ናይ መኽፈቲ ስነስርዓት ቅድሚ ምጅማሩን፡ ኣብ ምድብ ሓደ ዝርከባ ቐጠርን ኢኳዶርን ቀዳማይን ናይ መኽፈትን ጸወታ ቅድሚ ምክያደንን ብኣማኢት ዝቁጸሩ ደገፍቲ ባንዴራታት ሃገራት ዓለም እናኣንበልበሉን እናዘመሩን ኣብ ርእሰ ከተማ ዶሓ ብእኩብ ክንቀሳቐሱ ተራእዮም ነይሮም። እቲ ኣብ ናይ ፊፋ መርበብ ሓበሬታ ዝወጽአ ቪድዮ፡ እቶም ናይ ዝተፈላለየ ሃገራት ባንዴራ ሒዞም እናዘመሩ ዝርኣዩ ደገፍቲ ናይቶም ዝበዝሑ መልክዕ ምስ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ደቡብ ኤስያን ዝመጽኡ ዝመስል ክንሱ፡ ንዝተፈላለያ ሃገራት ዝድግፉ መሲሎም ምቕራቦም ንቡዙሓት ሕቶ ንኸልዕሉ ቀሲብዎም’ዩ። ካብዚ ብምብጋስ እዞም ‘ደገፍቲ’ ናይ ብሓቒ ደገፍቲ ዘይኮኑስ ተኸፊሎም ዝድግፉዶ ክኾኑ ይኽእሉ? ዝብል ሕቶ ከበግሱ ክኢሎም’ዮም። ስድርኡ ኣብ ህንዲ ዝነብሩ ኣሮን ፈርናንዴዝ ዝተብሃለ ነባረ ቐጠር፡ እዚ ከምዚ ዓይነት ርእይቶ ህሉው ኩነታት ናይቲ ከባቢ ካብዘይምርዳእ ዝብገስ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ። ነዚ ከረድእ እንከሎ ከኣ፡ ብዙሓት ሰባት ከካብ ሃገሮም ብስደት ናብ ቐጠር መጺኦም ንቐጠር ከም ሃገሮም ሓሲቦም እናነበሩ፡ ንዝተፈላለያ ሃገራት ምድጋፈዶም ብዙሕ ዘተሓታትት ጉዳይ ክኸውን ከምዘይግብኦ ይገልጽ። ደቡብ ኤስያውያን ክሪኬት ንዝተብሃለ ዓይነት ስፖርት'ኳ ዝያዳ ዝፈትዉ እንተኾኑ፡ ብዙሓት ኵዕሶ እግሪ ዝፈትዉ ከምዘለዉ’ውን ይፍለጥ’ዩ። ነዚ መረጋገጺ ክትከውን እትኽእል ሃገረ ህንዲ ኮይና፡ ህንዲ ዋላ’ኳ ኣብ ዋንጫ ዓለም ተሳቲፋ ኣይትፍለጥ፡ ብዙሓት ህንዳውያን ንዝፈትውወንን ዝድግፍወንን ጋንታታት ንምርኣይ ናብ ስታድዮም ብብዝሒ ክኣትዉ ይርኣዩ’ዮም። ኣሮን ፈርናንዴዝ’ውን ናይ ክልተ ክለባት ኣባል ማሕበር ደገፍቲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ናይ ፊፋ ናይ ደገፍቲ ምንቅስቓስን ናይ ቐጠር ናይ ደገፍቲ ፕሮግራማትን ይሳተፍ’ዩ። እዘን ናይ ደግፍቲ ምንቅስቓስን ፕሮግራማትን ምስ ዋንጫ ዓለም ተተሓሒዙ ብፊፋ ዝተዳለወ ኮሚተ ዝመስረተን’የን። ኣሮን ፈርናንዴዝ ኣብቲ ብፊፋ ዝተዳለወ ናይ ደገፍቲ ምንቅስቓስ ውዕል ፈሪሙ እንተኾይኑ ኣብ ዝተሓተተሉ “ኣብ ከምዚ ዓይነት ምንቅስቃስ ክትሳተፍ እንከለኻ ሓላፍነት ክህልወካ ትጽቢት ይግበር’ዩ። እንተኾነ ኩሉ ምስ ስፖርት ዝተሓሓዝ’ዩ። እዚ ኸኣ ንዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ ስለዝኾነ ከም ሓደ ዓቢ ነገር ክርአ የብሉን” ኢሉ። ዋላ’ኳ ኣሮን ፈርናንዴዝ፤ ብሩህ ዝኾነ መልሲ ኣይሃብ፡ እቶም ኣብ ናይ ደገፍቲ መደባት ዝሳተፉ ሰባት ውዕል ይፍርሙ’ዮም። ካብቶም ኣዳለውቲ ዋንጫ ዓለም ዝተፈላላየ ግንዖታት ከምዝውሃቦም’ውን ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ’ዩ። ቢቢሲ ዝረኸቦ ሰነድን ካብ ዝተፈለላዩ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ዝተውሃቦ ሓበሬታን፡ ብዙሓት ደገፍቲ ካብ ካልኦት ሃገራት [ካብ ቐጠር ወጻኢ] ናብ ቐጠር ንኽመጽኡ ነጻ ኣየር ትኬትን ናይ ሆቴል ወጻኢታቶምን ተሸፊንሎም’ዩ። እዚ ኸኣ “ደገፍቲ ኣብ ቐጠር ዝጸንሕሉ እዋን ምቹእ” ንኽኸውን ተዓሊሙ ከምዝተገበረ’ዩ ተገሊጹ። እቶም ደገፍቲ ናይቲ ዝተገበረሎም መከሓሓሲ “እቲ ላዕለወይ ኮሜተ ዘዳልዎ ነገራት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታቶም ክልጥፉ” ከምኡ ኸኣ ካልእ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም ነገራት ‘ላይክ’ ከምኡ ኸኣ ‘ሼር’ ክገብሩ ምዃኖም ኣብ ዝሕብር ሰነድ ክታሞም የንብሩ። እቲ ላዕለዋይ ኮሜተ ዝብሃል ዘሎ፡ ነዚ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ዘውሃህድ ብፊፋ ዝቐመ ኮሚተ’ዩ። እንተኾነ እዞም ተዓዲሞም ዝመጽኡ ናይ ‘ሓሶት’ ደገፍቲ “እቲ ላዕለዋይ ኮሚተ ወይ ነቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022 ንሓደጋ ዘቃልዑ ተግባራት ከይፍጽሙ” ክሳማምዑ ዝግደዱ ኮይኖም “ኣፈኛታት ቐጠር” ክኾኑ ግን ከምዘይግደዱ ተሓቢርዎም’ዩ። ብዓል ሞያ ማሕበራዊ ሚድያ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ቤልጂም ፒየር ኮርኔዝ ከምዝበሎ፡ እቶም ደገፍቲ “ነጻ ናይ ኣየር ትኬት ተዋሂብዎም’ዩ፡ ኣብ መኽፈቲ ስነስርዓት ኸኣ ኣብ ሜዳ ከምዝኣትዉ ተገይሮም እዮም” ኢሉ። ፒየር ኮርኔዝ ብምስዓብ እዚ ግንዖ ንደገፍቲ ቤልጂም ጥራይ ዘይኮነ “ንኹልን እተን ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት ዝተውሃብ ሓለፋ’ዩ” ኢሉ። ፒየር ኮርኔዝ ኣብ መወዳእታ፡ ኩሎም እቶም ዕድመ ዝቐረበሎም ደገፍቲ ነቲ ውዕል ክፍርሙ ከምዘይተገበሩ’ውን ኣምልኪቱ። ዋንጫ ዓለም 2022 ቐጠር ከተአንግዶ ዕድል ምስ ተውሃባ፡ እታ ሃገር ኣብ ኣታሓሕዛ ኣብታ ሃገር ዝሰርሑ ወጻእተኛታት፡ ብዛዕባ ሕደ ጾታወያን ዘለዋ መርገጽን ብዛዕባ ሓሳብካ ምግላጽ ዘለዋ ደረጃን ተተሓሒዙ ብዙሕ ምዕዝምዛማት’ዩ ተሰሚዑ። ቐጠር ብወገና፡ እቲ ዝብሃል ንጎኒ ብምግዳፍ፡ ዋንጫ ዓለም ዝያዳ ብዝደመቐ መልክዕ ንኸተአንግዶ ትግብሮ ምህላዋ ገለ ወገናት ይገልጹ። ኣባል ቦርድ ማሕበር ደገፍቲ ኵእሶ እግሪ ኣውሮጳ ዝኾነት ማርታ፡ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት [ከፊልካ ደገፍቲ ምምጻእ] ኣብ ዝኾነ ዝተኻየደ ዓበይቲ ውድድራት ተገይሩ ዝብል ሰሚዓ ከምዘይትፈልጥ’ያ ትሕብር። “እዚ ናይ ደገፍቲ ምንቕስቃስ ዘይኮነ፡ ናይ ደገፍቲ ምጥፍፋእ’ዩ” ብምባል “ከምዚ ዓይንተ ተርእዮ ጋሻ ተርእዮ’ዩ፡ ቅኑዕ’ውን ኣይኮነን” ትብል። እንተኾነ ኣካል ናይቲ ምድላዋት ዝኾነ ኮሜተ ግን “እዚ ዘቕረብናዮ ዕድመ፡ ኣብ 59 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ደገፍቲ ድሌትን ሕቶን ክንርዳእ ሓጊዝና’ዩ” ብምባል መልሲ ሂቡ ኣሎ። ብምቕጻል “እቶም ደገፍቲ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ይኹን ካልእ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ‘ሼር’ ክገብሩ ዘገድድ፡ ዝኾነ ወዕል የብሎምን” ኢሉ። “ኩሎም እቶም ኣብ ቐጠር ዝርከቡ ደገፍቲ ከም ኣጋይሽና ስለንርእዮም፡ ዋላ ሓንቲ ከይተኸፈሎም ብገዛእ ፍቓፈዶም ዝገብርዎ እዩ ክኸውን” ብምባል እቶም ተዓደምቲ ዝኾነ ግዴታ ከምዘይብሎም ገሊጹ። ነቐፌታ ምዕራባውያን ንቐጠር 'ምስሉይነት' ክብል ፕረዚደንት ፊፋ ገሊጽዎ ምዕራባውያን ኣብ ድሮ ምጅማር ዋንጫ ዓለም ኣብ ዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ቐጠር ኣድሂቦም ዘውጽእዎ ዘለዉ ጸብጻብ፡ "ምስሉይነት" ክብል ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም [ፊፋ] ጅያኒ ኢንፋንቲኖ ገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ደውሓ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝኸውን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዋንጫ ዓለም እተአንግድ ንዘላ ሃገር ቐጠር ተኸላኺሉ፡ ብትሪ መጒቱ። ምስቲ ሎሚ ሰንበት ኣብ ቐጠር ዝጅመር ውድድር ዋንጫ ዓለም ተዛሚዱ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዝኽሰቱ ዘለዉ ሞት ስደተኛታትን ኣተሓሕዛ ሕደ-ጾታውነትን ተደጋጋሚ ነቐፌታ ክቐርቡ ጸኒሖም እዮም። ኢንፋንቲኖ ኣብ መኽፈቲ መደረኡ ከቢድ ቅሬታ ከምዘስምዖ ብምግላጽ፡ “ብርግጽ ዜጋ ቐጠር፡ ዓረብ፡ ኣፍሪቃዊ፡ ኣፍቃሪ ሕደ ጾታውነት፡ ጐደሎ ኣካል ወይ’ውን ስደተኛ ሰራሕተኛ ኣይኰንኩን። እንተኾነ ዜጋታት ወጻኢ ኣብ ዓዲ ጓና ዝወርዶም ኣድልዎን መጥቃዕትን እንታይ ከምዝዀነ ስለዝርዳእ ንዓኣቶም ዝስምዖም ንዓይ’ውን ይስመዓኒ’ዩ፡” ኢሉ። ፕረዚደንት ፊፋ ኢንፋንቲኖ ኣብ ዘረባኡ፡ “ኣነ ኣውሮጳዊ’የ። ንኻልኦት ብዛዕባ ትምህርቲ ሞራል ቅድሚ ምሃብና ግን ኣብ ዓለም ንኣስታት 3 ሽሕ ዓመታት ብኣውሮጳውያን ንዝተፈጸሙ ተግባራት ንዝቕጽሉ 3 ሽሕ ዓመታት ይቕሬታ ክንሓትት ጥራይ እዩ ዘለና፡" ኢሉ። “ኣውሮጳ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል እዞም ህዝብታት ዘጨንቓ እንተዀይኑ፡ ከምቲ ቐጠር ዝገበረቶ ሕጋዊ መስመራት ከፊታ እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ኣውሮጳ መጺኦም ንኽሰርሑ ክትገብር ኣለዋ። ተስፋን ሰናይ ዘበንን ፍጠሩ፡” ክብል ተሰሚዑ። ንሱ ኣስዒቡ፡ “ነቶም ነቔፌታታት ንምርዳእ እጽገም’የ፤ መጻኢ ተስፋ ናይዞም ሰባት ብሩህ ንምግባር ብትምህርቲ ንምሕጋዝ ዘኽእለና ገንዘብ ክነዋጽእ’ዩ ዘለና። ኵላትና ንገዛእ ርእስና ክንምህር ኣለና። ለውጥን ምምሕያሻትን ግዜ የድልዮ’ዩ” ኢሉ። እንተዀነ ብሓደ ወገን ጥራይ ዝርአ ሞራላዊ ትምህርቲ ትዕቢትን ግብዝነትን እዩ። እቲ ካብ 2016 ጀሚሩ ቐጠር እተርእዮ ዘላ ምምሕያሽ ስለምንታይ ኣፍልጦ ከምዘይወሃቦ ኸኣ ሕቶ ይፈጥረለይ፡ ክብል ተዛሪቡ። “ቐጠር ውድድር ዋንጫ ዓለም ንኽተአንግድ ቅድሚ 12 ዓመታት ኣብ ዝተወሃበ ውሳነ ኣድሂቡ ይቐርብ ንዘሎ ነቐፌታ ምቕባል ቀሊል ኣይኰነን። ቐጠር ሕጂ ድልውቲ’ያ፤ እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተራእዩ ውድድራት ዋንጫ ዓለም እቲ ዝዓበየ’ዩ፡” ክብል ኢንፋንቲኖ ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ፊፋ፡ ኢንፋንቲኖ ኣስዒቡ፡ “ንቐጠር ክካታዕ የብለይን። ባዕሎም ክከላኸሉ ይኽእሉ’ዮም። ኣነ ክካታዕ ዝኽእል ብዛዕባ እቲ ውድድር ኩዕሶ እግሪ’ዩ” ኢሉ። ቐጠር ምስ ትካል ሰራሕተኛታት ዓለም ኰይና ብዛዕባ ስደተኛ ሰራሕተኛታት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ከምዝኸፈተት ዝሓበረ ኢንፋንቲኖ፡ ኣብ ስራሕ እንከለዉ ጉድኣት ናይ ዝወረዶም ሰራሕተኛታት ከከም እቲ ዘጓነፎም መጠን መጕዳእቲ ናይ ብዙሕ ዓመታት ደሞዞም ብሕጋዊ መገዲ ካሕሳ ክረኽቡ ከምዝግበር ኣፍሊጡ። ብዙሕ ነቐፌታ ከተአንግድ ዝቐነየት ኣአንጋዲት ቐጠር፡ ኣብቲ ሎሚ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ዝካየድ መኽፈቲ ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ምስ ኢኳዶር ክትገጥም’ያ። ዘጋርድያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓተሞ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ቐጠር ውድድር ዋንጫ ዓለም ከተዐንግድ ዕድል ካብ ዝረኸበትሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ካብ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ኔፓል ባንግላድሽን ስሪላንካን ዝመጽኡ 6500 ሰራሕተኛታት ሞይቶም። እዚ ዝተጠቕሰ ኣሃዝ፡ ኣብ ቐጠር ካብ ዝርከቡ ናይ ዝሞቱ ዜጋታት ኤምባሲታት ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ዝገበረ እዩ። እንተዀነ መንግስቲ ቐጠር፡ እቲ ዝቐረበ ሓፈሻዊ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ምስ ምድላዋት ዋንጫ ዓለም ምስ ዝተዛመዱ ፕሮጀክታት ዘራኽብ የብሉን ክብል ተቛውሞኡ ገሊጹ እዩ። ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2023፡ 'ብጾታዊ መዐቀኒ' ተኣጊዳ ዝነበረት ዛምቢያዊት ክትሳተፍ ተፈቒዱላ ብማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዛምቢያ (ፋዝ) ተኣጊዳ ዝነበረት ኣጥቃዒት ባርባራ ባንዳ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ክትጻወት ብቕዕቲ ምዃና ተገሊጹ። እታ ጓል 22 ዓመት ዛምቢያዊት ኣጥቃዒት፡ ኣብ ፈተና ጾታዊ መዐቀኒ ወዲቓ ብዝብል እያ ተኣጊዳ ነይራ። ሰነዳት ፊፋ ከምዝሕብርዎ ምርምራ ጾታዊ መዐቀኒ፡ ተመሳሳሊ ናይ ምጽዋት ብቕዓት ንክህሉን ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተጻወትቲ ዘሎ ኣፈላላይ ንምውሓስን ዝግበር እዩ። “ተባዕታይ ናይ ጾታ ሆርሞናት (ኣንድሮጀኒክ)፡ ሓለፉ ከርክብ ዝኽእል ብቕዓት ናይ ምውሳኽ ተኽእሎ ኣለዎም” ድማ ይብል። ነዚ እዩ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ተጻዋቶ ምርመራ ዝግበር ዘሎ። ዝለዓለ መጠን ኣንድሮጀኒክ ሆርሞን ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከይጻወታ ዝኽልክል ሕጊ ወጺኡ ነይሩ። ዋና ሓላፊት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ፊፋ ሳራይ ቤርማን፡ ባርባራ ባንዳ “ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ኣብ ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ ብሃንቀውታ ንጽበ ኣለና" ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ገሊጻ። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዛምቢያ፡ ቅድሚ ሕጂ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ካብ ፊፋ ዝወሰዶ ሕክምናዊ ቅጥዒ ዘለዎ ርድኢት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነታ ብልጽቲ ተጻዋቲት ካብ ዋንጫ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ከም ዘግለላ ገሊጹ ነይሩ። ይዅን እምበር፡ እዞም ንባንዳ ክትግለል ዝደረኹ ሕግታት ሕጂ ይኽለሱ ኣለዉ። "ፊፋ ኣብዚ እዋን'ዚ ንመምርሒታት መዐቀኒ ጾታ ይግምግም ኣሎ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መስርሕ ምምኽኻር ኢና ዘለና" ክትብል ቤርማን ገሊጻ። "ጕጅለይ ዓቢ ኣካል ናይቲ መስርሕ ምምኽኻር ምዃና ርዱእ'ዩ፤ ብዙሓት ስፖርትታት'ውን ናይ ባዕሎም ደንብታት ይኽልሱ ስለ ዘለዉ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ፡ ሓድሽ ስርዓተ ደንቢ ካብ ፊፋ ክወጽእ ክትርእዩ ኢኹም፡" ኢላ። ባንዳ ኣብ 2020 ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ክትረክብ ከላ፡ ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ናይቲ ውድድር ተኸታታሊ ሃትሪክ ዘመዝገበት ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት እያ። ካብ ዋንጫ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ (ዋፍኮን) ወጻኢ ኰይና ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መስከረም ናብ ሃገራዊት ጋንታኣ ተመሊሳ፡ ዛምብያ ንፈለማ እዋን ዞባዊ ዋንጫ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ክትዓትር ሓጊዛ እያ። ብተወሳኺ፡ ብልጽቲ ኣመዝጋቢት ሸቶን ብልጽቲ ተጻዋቲትን እቲ ውድድር ክትከውን ክኢላ። ኣመሓዳሪ ኣካል ኩዕሶ እግሪ ዓለም፡ እቲ ሓድሽ መምርሒ መዐቀኒ ጾታ ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2023 ክዝርጋሕ ምዃኑ'ኳ እንተገመተ፡ ኣብ ቀጻሊ መርመራ ጾታ ቀንዲ መሰረት ጸወታ ደቂ ኣንስትዮ ኰይኑ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን ዝብል ግን ንጹር ኣይገበረን። "ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኣርእስቲ'ዩ፣ ብዙሓት ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብዚ ነናይ ገዛእ ርእሶም ርእይቶ ኣለዎም" ትብል ቤርማን። "ከም ፊፋ፡ ተራና ነቶም ኵሎም ኣረኣእያታት ኣብ ግምት ምእታው'ዩ፣ ምኽንያቱ ብሓቂ ንነፍሲ ወከፍ ኣረኣእያ - መጽናዕቲ፡ መርትዖታት፡ ውልቃዊ ኵነታት፡ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ዝዛመዱ ነገራት - ክንርድኦ ኣለና። ዝዀነ ውሳነ ቅድሚ ምውሳንና ነዚ ኵሉ ከም ረቛሒ ክንርእዮ ኣለና። "ዓቢ ውሳነ'ዩ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሰባት ድማ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ።" ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዛምቢያ፡ ኣብ ሓምለ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ካልኦት ኣባላት እታ ጋንታ ክዀና ዝኽእላ ዝነበራ ሰለስተ ተጻወትቲ እውን ብመዐቀኒታት ጾታ ከም ዝተጸልዋን በዚ ድማ ኣብቲ ውድድር ንኽሳተፋ ከም ዘይተመርጻን ገሊጹ። ዛምብያን ሞሮኮን፡ ኣብቲ ብኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ብሓባር ዝእንገድ ውድድር 2023 ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝሳተፋ ሓሙሽተ ሃገራት እተን ክልተ እየን። ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ውድድር፡ ቍጽሪ ተሳተፍቲ ጋንታታት ካብ 24 ናብ 32 ድሕሪ ምውሳኹ፡ ዕብየት እቲ ውድድር ንዕብየት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ከም ዘደንፍዕ ቤርማን ትኣምን። ናይዚ ውጽኢት፡ "እወታዊ ጥራይ'ዩ" ትብል። "ንዛምብያ ርኣዩ - ከምኣ ዝበለት ሃገር ንመጀመርታ ግዜ ናብቲ ውድድር ክትሓልፍ ከላ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝካየዱ ጸወታታት ዝህልዎ ጽልዋ ዓቢ'ዩ። ኣብ ኦሎምፒክ'ውን ኣዝዩ ጽቡቕ ውጽኢት ኣመዝጊባ’ያ - ካልኦት ሃገራት ነዚ ተረዲአን'የን። ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ተወዳዳርነት ኣቃሊልካ ምርኣይ ኣይከኣልን። "እቲ ምስፍሕፋሕ ብሓቂ ሓጊዙ'ዩ፡ ንኻልኦት ሃገራት'ውን ክድርኽ'ዩ።" ሻምፕዮን ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናይጀርያ፡ ንፈለማ እዋን ዝሳተፋ ዘለዋ ዛምብያን ሞሮኮን ኣብቲ ውድድር ንኣፍሪቃ ወኪለን ዝቐርባ ኣርባዕተ ሃገራት እየን። ሰኔጋልን ካሜሩንን፡ ናብቲ ውድድር መንአን ትሓልፍ ንምውሳን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ መንጎ ኣህጉራት ኣብ ዝካየድ ናይ በጺሕኻ ምምላስ ጸወታታት ክሳተፋ እየን። ስለዚ፡ ኣፍሪቃ ኣብቲ ካብ ሰነ ክሳዕ ነሓሰ 2023 ዝካየድ ወድድር ብሽዱሽተ ሃገራት ክትውከል ዕድል ኣለዋ። ውሩይ ብራዚላዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ፔለ ሆስፒታል ኣትዩ ብራዚላዊ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ተገሊፁ። ኢኤስፒኤን ብራዚል፡ ፔለ ብሰንኪ ኣብ ሰብነቱ ዘጋጠሞ ሕበጥ ናብ ሆስፒታል ሳኦ ፖሎ ከም ዝኣተወ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ። እንተዀነ ጓሉ ኬሊ ናሲሜንቶ፡ ፔለ ናብ ሆስፒታል ዝኸደሉ ጉዳይ ብሃንደበታዊ ሕማም ከምዘይኰነ ገሊጻ። ንሳ ብናይ ውልቃ ኢንስታግራም ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ምስ ምሕማም ፔለ ዝዛመድ “ዝኾነ ዘሻቕል ዜና የለን” ኢላ። ኢኤስፒኤን ብራዚል፡ እቲ ወዲ 82 ዓመት ውሩይ ተፃዋታይ ኵዕሶ እግሪ ዓለም ፔለ ምስ ልቢ ዝዛመድ ፀገም ጥዕና ከም ዘጋጠሞን ዝከታተሎ ዘሎ ሕክምና ውፅኢታዊ ብዘይ ምዃኑ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ኣመልኪቱ። “ኣብ ጉዳይ ጥዕና ኣቦይ ሎሚ መዓልቲ ብዙሕ ኢሎም እዮም” ዝበለት ኬሊ ናሲሜንቶ፡ “ኣብ ሆስፒታል ኣሎ። ሃንደበታዊ ወይ ድማ ሓድሽ ምስ ጥዕናኡ ዝዛመድ ዘሻቕል ነገር የለን። ሓድሽ ዓመት ኣብኡ ክርከብ እየ። ስእልታት ድማ ከካፍለኩም እየ” ኢላ። ፔለ፡ ኣብ 2021 [ኣ.ኣ] እውን ናብ ሆስፒታል ኣትዩ፡ ብዝተገበረሉ መጥባሕቲ ካብ ታሕተዋይ ክፋል ዓቢ መዓንጣኡ ጽኪ ከም ዝተኣለየሉ ይፍለጥ። ኣብ 2019 ድማ ብዘጋጠሞ ረኽሲ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ተገይርሉ ከምዝነበረ ይዝከር። ፔለ፡ ኣብ 92 ፀወታታት 77 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ብራዚል ጎብለል ብዝሒ ሸቶ ዘመዝገበ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኰይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሸቶ ካብ ዘቝፀሩ 4 ተጻወትቲ እቲ ሓደ’ዩ። እዚ ካብ ወልዋሊ ጫማ - ሊስትሮ - ናብቲ ዝዓበየ መድረኽ ጸወታ ኵዕሶ ዝተሰጋገረ ፔለ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝተፈትዉን ብኣድናቘት ዝተጐናጸፉን ኰይኑ ዓብይ ዝናን ስምን ዘትረፈ ኮኾብ'ዩ። ኣብ ዋንጫ ዓለም ታሪኽ ትሰርሕ ዘላ ሩዋንዳዊት ዳኛ ሳሊማ ሙካንሳንጋ ትበሃል፤ ሩዋንዳዊት ዳኛ እያ። ትማሊ ሰሉስ ኣብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ንፈለማ እዋን ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ ድሕሪ ምዃን ታሪኽ ሰሪሓ'ላ። ን92 ዓመት ኣብ ዝጸንሐ ታሪኽ እቲ ውድድር፡ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ክሳተፋ እዚ ንመጀመሪያ ግዜ እዩ። እዛ ጓል 34 ዓመት፡ ራብዐይቲ ዳኛ ኰይና ኣብ መንጐ ሻምፕዮን ዓለም ፈረንሳን ኣውስትራልያን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ መሪሓ። ሳሊማ ሙካንሳንጋ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ዝተሳተፈት ናይ መጀመርታ ጓል ኣንስተይቲ ዳኛ እያ። ብተወሳኺ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኦሎምፒክ ዳኛ ከምዝነበረት ይዝከር። ሳሊማ ሙካንሳንጋ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ ዳኛ ኰይና ምስታፋ፡ ንኻልኦት ህንጡያት ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ኣፍሪቃ ተስፋ ዝህብ እዩ። እታ 34 ዝዕድመኣ ሩዋንዳዊት፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለማዊ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ዝተሳተፋ ሽዱሽተ ፈለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ እያ። ሳሊማ ነዚ ዕድል ከምዝተመዘዘት ድሕሪ ምፍላጣ፡ "ቅድሚ ሕጂ ተፈጺሙ ስለዘይፈልጥ ክብርን ፍሉይ ዕድልን'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ከምዝገለጸት ይዝከር። እታ ካብ 2012 ጀሚራ ዳኛ ፊፋ ዝዀነት ሳሊማ፡ ኣብ ህይወታ ገና ብኣጋኡ ዘጋጠማ ንጽገት ተጻዊራ እያ ነዚ ታሪኽ ክትሰርሕ ክኢላ። ንእሽቶ ጓል ከላ፡ ኣካል ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኩዕሶ ሰኪዔት ክትከውን ዘኽእል ዕድመ ከምዘይብላ ተነጊርዋ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ከተተኩር መሪጻ፤ እዚ ዝመረጸቶ ስፖርት ግን ኣብ ውሽጣ ሓያል ስምዒት ፈጢሩላ። "ጸወታታት ክዕዘብ ክኸይድ ከለኹ፡ እዞም ኣብ ውሽጢ [ሜዳ] ዳያኑ ዝበሃሉ ሰባት ርእየዮም" ትብል። "ኣብ ሜዳ ጸወታ ውሳነታት ክወስኑን ኵሉ ክቕይሩን ይኽእሉ፣ ስለዚ ተሓጒሰ። ካብታ ህሞት እቲኣ ጀሚረ ድማ፡ ገና ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ከለኹ፡ ብዛዕባ እቶም ሰባት ክሓስብ ጀሚረ።" ብኸምዚ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ እንከላ ዳኛ ክትከውን ጀሚራ፣ ብቕልጡፍ ዝተመሃረትሉ እዋን ነይሩ። "ብዙሕ ስራሕ ከምዘሎ ኣይፈለጥኩን - ክኽተሎ ዝግበኣኒ ሕጊ፡ ክኽተሎ ዘለኒ ኣተሓሳስባ፡ ኣብ ውሽጠይ ዝህልወኒ ሞያውነት - ግን ቀስ ብቐስ ክመሃር ጀሚረ።" "ኣዝዩ ከቢድ'ዩ ነይሩ። ሕግታት ናይቲ ጸወታ ከተንብብ ከለኻ ንምርዳእ ቀሊል'ዩ፣ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ግን ነቲ ስራሕ ክትመልኮ ገለ ግዜ የድልዮ" ትብል ሳሊማ። ኣማተር ተጻዋቲት ኰይና ንሓጺር እዋን ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን ስልጠና ዳኛ ዝጠልብ ምልክታ ርእያ። እንተዀነ ካብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ብቐጥታ ኣብቲ ስልጠና ዳያኑ ንኽትሳተፍ ንማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሩዋንዳ (ፈርዋፋ) ምስ ሓተተት፡ ብሰንኪ ዕድመኣ ሽዑ’ውን ተነጺጋ'ያ። እዛ ቈራጽ ውልቀሰብ ግን፡ ብውልቃን ብጻዕራን ሕግታት ጸወታ ፊፋ ኣጽኒዓ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ሩዋንዳ፡ ምስ ካልኦት ትስፉዋት ዳያኑ ክትመሃር ዕድል ሂብዋ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ሩዋንዳ ዝካየዱ ጸወታታት ሊግ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ምምራሕ ክሳብ ናብ ዋንጫ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ 2016፡ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2019ን ኦሎምፒክ ቶክዮን ተጓዒዛ። ኣብ 18 ጥሪ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዚምባብወ ኣብ ልዕሊ ጊኒ ዝተዓወተትሉ ጸወታ፡ ሳሊማ ሽዱሽተ ብጫ ካርድ ብምሃብን ንዝተባእሱ ተጻወትቲ ብምፍላይን ርጉእን ብቕዓታ ኣርእያ እያ። ኣብቲ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ድሕሪ ናይ መወዳእታ ፊስካ፡ ናይ ብሓቂ ስምዒታዊ እየ ነይረ - ናይ ብሓቂ ኣዝየ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ ነይረ" ኢላ። ". . . . በይነይ ኣይነበርኩን። እቲ ስምዒት ካብ መሳርሕተይ ዝመጸን ሓጐስ'ውን ዘፍረየን’ዩ - ምኽንያቱ ታሪኽ ሰሪሕና፡ እቲ ጸወታ ብዘይ ገለ ጸገም ክዛዘም ጌርና።" ከምዚ ዝኣመሰለ መቐረት ግን ንዓመታት ዝወሰደ ዕንቅፋታት ምብዳህ የድልዮ ነይሩ። ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስተኻየደ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ፡ እታ እንኮ ስርሓ ዳንነትት ዝዀነ ሳሊማ፡ ካብ ጾታዊን ባህላውን ፍልልያት ክሳብ መሰረታዊ ስነ-ህይወት ዝበጽሕ ዘጋጠምዋ ገለ ብድሆታት ነዲፋ። "ወርሓዊ ጽግያትና ኣሎ - ስለዚ ሓደ ሓደ ግዜ ክትጐዪ ወይ ክትመርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ" ክትብል ትገልጽ። "እንተድኣ ነፍሰጾር ኰይና - ክትጎዪ ኣይትኽእልን እያ። ክንወልድ ከለና ኣካልና ዳግማይ ንቐጻሊ ጕዕዞ ንምድላው፡ ንኽንሓዊ ግዜ የድሊ። "ፍጥነት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ስለዘሎ ሓደ ሓደ ግዜ ከም ደቂ ተባዕትዮ ክጐዪ ኣይክእልን እየ። እንተዀነ ዝያዳ ክገብር፡ ዝያዳ ክደፍእን እንተወሓደ ኣብ ብተመሳሳሊ ናህሪ ክጎዪን፡ ምስ ተጻወትቲ ቅርበት ፈጢረ ጽቡቕ ርእየት ክህልወኒን ክገብር እኽእል እየ።" ልምምዳታን ናይ ብቕዓት መርመራኣን ኣብ ጐድኒ ደቂ ተባዕትዮ እዩ ዝካየድ። ኣብ ሜዳ ቅልጡፍ ውሳነታት ትወስድ ሳሊማ፡ ንፊፋን ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃን (ካፍ) ስለቲ ክፍልታት ኣሰልጠንቶም ተመስግን። ኣብ መጀመርታ ኣብ ጸወታ ደቂ ተባዕትዮ ዝሑል ኣቀባብላ ዝገጠማ ሳሊማ ኣብቲ ስራሕ ዘጋጥምዋ ብድሆታት ግን ተቐቢላቶም። "ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝዕብለል ዓውዲ፡ ስራሕካ ብዕጽፊ ክትውስኽ ኣለካ፣ ድሕሪኡ እቲ ኒሕ ይሃልኻ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ኒሕ ክትደክም ኢኻ፡ ድሕሪኡ ድማ ክትገድፎ ኢኻ" ክትብል ትገልጽ። "ግን ክንገድፎ ኣይንደልን። ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት ኴንና ብሓባር ክንሰርሕ፡ ክንዕወትን ክንቃለስን ኣለና።" ዋና ኣሰልጣኒ ዳንነት ካፍ ጄሮም ዴመን፡ ሳሊማ ፍረ ጻምኣ ከምዝረኸበት ይኣምን። "ፍጹም ዘገርም ምዕራፍ'ዩ፣ ኣብ ፍሉይ ኵነታት እያ ዘላ፣ ሓንቲ ካብቶም ውሑዳት ናብ ዋንጫ ዓለም ዝኸዱ ዝኽእሉ ላዕለዎት ዳያኑ እያ" ይብል ዴመን። "ቅድሚ ሕጂ ኣይተገብረን፣ ስለዚ ብዛዕባ ዳንነት ኣፍሪቃን ምዕባለኡን ብዙሕ ዝገልጽ’ዩ።" ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ፊፋ፡ ሽመት ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ደቂ ተባዕትዮ፡ "ነዊሕ መስርሕ" ከምዝሓለፈ ገሊጹ ነይሩ። ኣቦ መንበር ኮሚተ ዳያኑ ፊፋ ፐርሉዊጂ ኮሊና፡ "ጾታ ዘይኮነስ ጽሬት'ዩ ዘገድስ" ይብል። "ኣብ መጻኢ፡ ንኣገደስቲ ውድድራት ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ምምራጽ ከምንቡር ክውሰድ ተስፋ እገብር።" “ብቐጻሊ፡ ብልዑል ብቕዓት ስለዝሰርሓ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክሳተፋ ይግብአን'ዩ” ክብል ይውስኽ። ካብ ሳሊማ ብተወሳኺ ፈረንሳዊት ፍራፓርት፡ ጃፓናዊት ያማሺታ፡ ከምኡ’ውን ተሓጋገዝቲ ዳያኑ ዝዀና ብራዚላዊት ኔውዛ ባክ፡ ሜክስካዊት ካረን ዲያዝ መዲናን ኣሜሪካዊት ካትሪን ነስቢት ኣብ ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ክሳተፋ እየን። ሳሊማ፡ "ንዓወት ደቂ ኣንስትዮ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና" ትብል። "ጸገማት፡ ዕንቅፋታትን ብድሆታትን ኣለዉ። ብሓያል ኣተሓሳስባ፡ ተወፋይነትን ምሉእ ተሳትፎን ካብ ምቅላስ ሓሊፍና ንገብሮ ነገር የለን - ሽዑ ክንዕወት ኢና።" ሰባት ኵሉ ግዜ ብኣኻ ሕጕሳት ክዀኑ ከምዘይክእሉ ትገልጽ ሳሊማ፡ “ስለዚ እቲ ክትሰርሖ ዝግባእ ምስራሕ'ዩ" ትብል። "ድሕሪኡ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ሰባት 'እወ ልክዕ እያ' ክብሉ እዮም።" ኣፍሪቃ 'ኣብ 15-20 ዓመታት' ዋንጫ ዓለም ክትዕወት ትኽእል'ያ ኣፍሪቃ "ኣብ ውሽጢ 15-20 ዓመታት" ዋንጫ ዓለም ክትዕወት እያ ክብል እቲ ካብ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ኣሰልጣኒ ንላዕሊ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዕላማ ንምትግባር ዝቐረበ ሞሮካዊ ኣሰልጣኒ ዋሊድ ሬግራጊ ተዛሪቡ። ኣትላስ ላዮንስ (ኣናብስ ኣትላስ) ብዝብል እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሬግራጊ፡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ ዝበቕዐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኰይና፡ ኣብ መወዳእታ ድማ በታ 2ይቲ ዝወጸት ፈረንሳ ከምዝተሳዕረት ይዝከር። እዚ ወዲ 47 ዓመት፡ ኣፍሪቃ ካብ 2026 ጀሚሩ ንፈለማ እዋን ልዕሊ ሓሙሽተ ወከልቲ ብምውናን ኣብ መጻኢ ክትድልድል ምዃና ይኣምን። "ኣብ ውሽጢ 15-20 ዓመታት፡ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ዋንጫ ዓለም ከም እትዕወት ርግጸኛ እየ። ምኽንያቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግዜ እናተሳተፍና ዝያዳ ክንመሃር ኢና” ዝበለ እቲ ኣሰልጣኒ ስለዝዀነ ድማ መንእሰያት ኣፍሪቃ ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ዓለም ኣብ ውሽጦም ከምዝሰርጽ ገሊጹ። ኣፍሪቃ ካብ 1994 ጀሚራ ንመጻረዪ ሓሊፈን ናብ ግጥማት ዝቐርባ ናይ ሓሙሽተ ጋንታታት ኮታ ኣለዋ፤ እዚ ካብታ ብ13 ሃገራት እትውከል ኣውሮጳ ዝወሓደ ክኸውን ከሎ ካብታ ኣዝየን ውሑዳት ሃገራት ዘለውኣ ደቡብ ኣሜሪካ ብሓንቲ ትዛይድ። ጋንታታት እታ ኣህጉር ብዙሕ ግዜ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ንምብጻሕ ይፍተና ነይረን። ካብ 1994 ጀሚሩ ወትሩ ሓንቲ ሃገራዊት ጋንታ ጥራሕ ክተብቅዕ ዝፀንሐት ኰይና፡ ኣብ 2014ን 2022ን ግን ክልተ ጋንታታት ሰጊረን። "ከም ጋንታታት ኣፍሪቃ ዘለና ጸገም፡ ወትሩ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ጥራይ እዩ ትዅረትና። ግን ከኣ ግብጺ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክትሳተፍ ኣይከኣለትን፤ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ማሊ ወዘተ'ውን ኣይከኣላን" ይብል እዚ ሞሮካዊ ተጻዋታይ ነበር። "ስለዚ፡ ኵልግዜ፡ ኣንጻር ነንሕድሕድና ስለ እንገጥም (ንምሕላፍ)፡ ዝያዳ ዝተሓላለኸ'ዩ (ተመኵሮ ዋንጫ ዓለም ንምህናጽ)" ክብል’ውን ወሲኹ ይገልፅ። እቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ዝዓተረ ኣሰልጣኒ "(ጆሴ) ሞሪኖ - ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ እንከሎ - ብዛዕባ ዲኤንኤ ናይታ ክለብ ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ ዓይነት ነገር ግን ንሃገራውያን ጋንታታት'ውን ዝገልፅ ይመስለኒ" ክብል ይዛረብ። "ስለምንታይ እየን ኵሉ ግዜ ጋንታታት ኣውሮጳ ጥራይ (ኣብ ቀጻሊ መድረኻት ዋንጫ ዓለም ዝበጽሓ?) ክሮኤሽያ - ስለምንታይ ስዒሮምና ሳልሳይ ደረጃ ረኺቦም? ክሮኤሽያ - ስለምንታይ ስዒሮምና ሳልሳይ ደረጃ ረኺቦም? ኣብዚ ውድድር ዝያዳ ተመኵሮ ስለዘለዎም፡ ኵሉ ግዜ ናብ ዋንጫ ዓለም ይሓልፉ" ኢሉ። "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዋንጫ ዓለም ምስታፍ ከምኡ'ውን ከምዚ ዓይነት ጸወታታት ደጋጊምካ ምጽዋት ተመኵሮ ክትረክብ መንእሰያት ተጻወትቲ እውን ክመሃሩ ይገብር። ተጻወትኻ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ብቝዓት ኰይኖም ክምለሱ የኽእሎም" ሞሮኮ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2018 ዝቐረበት ኰይና፡ ሎሚ ዓመት ድማ ተመሊሳ ኣዝዩ ዘገርም ብቕዓት ኣርእያ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ታሪኻ ብ1994 ከምኡ’ውን 1998 ተኸታታሊ ተሳትፎ ምግበራ ይዝከር። ብድሕሪኡ ድማ ኣብ 2018ን ሎሚን ብተኸታታሊ ተሳቲፋ። ሞሮኮ ኣብቲ ቐጠር ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም ንሰለስተ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝለዓለ ደረጃ ዘለወን ጋንታታት ማለት ቤልጅየም (2)፡ ስጳኛ (7)፡ ፖርቱጋል (9) ክትስዕር ከላ፡ ምስ ክሮኤሽያ ድማ ኣብ ናይ ምድብ ፀዋታ ብማዕረ ብምፍልላይ ኣዝዩ ዘገርም ብቕዓት ኣርእያላ። “ኣብ ሓደ ውድድር ክልተ ግዜ ምስ ክሮኤሽያ ክንጻወት ብምኽኣልና ንዓመታት ዝኸውን ተመኵሮ ክንረክብ ክኢልና ኣለና” ክብል ኣሰልጣኒ ሞሮኮ ይዛረብ። "ምስ ስጳኛ፡ ፖርቱጋል፡ ፈረንሳ፡ ቤልጅየምን ካናዳን ክትጻወት፡ ፍሉይ'ዩ - ኵሎም ዓበይቲ ጸወታታት'ዮም" ሞሮኮ ኣብ ቐጠር ኣብ ዘካየደቶም ቀዳሞት 5 ጸወታታት፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ እያ ኣብ ልዕሊኣ ተቘጺራ፣ ብቕድሚ’ቲ ኣንጻር ክሮኤሽያውያን ንደረጃ ዝገበረቶን 2 ብ 1 ዝተሳዕረትሉን ጸወታ፡ ብፈረንሳ 2ብ0 ከምዝተሰዓረት ይዝከር። ዋላ'ኳ ኣሰልጣኒ ሬግራጊ፡ ጋንታኡ ናብ መዛዘሚ ውድድር ወይ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝበጽሐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ክትከውን ብዘይምኽኣላ እንተሓዘነ፡ ዕብየት ዓወታት ጋንታኡ ኣብ ቀረባ እዋን ምምሕያሽ ከምዘርኢ ትጽቢት ይገብር። "ሓሪቕና ኣለና ግን ልክዕ ምስ ተበራበርና ኣብ እንታይ ደረጃ ከም ዝበጻሕና ክንርዳእ" ኢሉ። "ድሕሪ መዛዘሚ ጸወታ፡ ነገራት ክንግምግሞም ኢና፡ ብቕዓት ሞሮኮ ድማ ፍሉይ ምንባሩ ክንርዳእ ኢና። ሕጂ፡ ኣብ ልዕለና ዝያዳ ጸቕጢ ክህሉ'ዩ" ክብል’ውን ተዛሪቡ። እቲ ኣሰልጣኒ፡ ዝተረፋ ዓበይቲ ሃገራውያን ጋንታትት እታ ኣህጉር'ውን ንመጻኢ ኣብ ትሕቲ ዝያዳ ክትትል ከምዝኣትዋ ምሉእ ትጽቢት ኣለዎ። "ሕጂ ኻልኦት ኣፍሪቃውያን ጋንታታት ከምቲ ንሕና ዝበጻሕናዮ ንክኸዳ ዝያዳ ትጽቢት ክህሉ'ዩ" ዝበለ እቲ ኣሰልጣኒ፡ ሞሮኮ (ጋንታታት ኣፍሪቃ) ዓቕሚ ከምዘለወንን ርሑቕ ከምዘይኮናን ከምዘርኣየት ሓቢሩ’ሎ። “ኣብ መንጐ ጋንታታት ኣውሮጳን ጋንታታት ኣፍሪቃን ዘሎ ፍልልይ ካብ ዝዀነ እዋን ዝጸበበ'ዩ" ኢሉ። ወሲኹ፡ "እዚ ንዅዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ናይ ብሓቂ ዘተባብዕ ክኸውን'ዩ" ክብል ተዛሪቡ። ዝብል ሕቶ ቐሪብሉ ግን መልሲ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ኣሎ። ኣብቲ ብ2018 ኣብ ሩስያ ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ባምላክ ተሰማ ናይ መሐለውታ ዳኛ ኮይኑ ከም ዝተሳተፈ ይዝከር። ጽርየትና ንሓሉ ስለዝበለ ከም ጽሉል ዝተርኣየን ካብ ሕብረተሰብ ዝተነጸለን ሓኪም ኣብቲ ዘመን፡ ዝሓመመ ሰብ ናብ ሆስፒታል ምውሳድ ማለት፡ ዳርጋ ናብ መቓብሩ ምውሳድ እዩ ዝነበረ። ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን፡ ሆስፒታላት ባዕለን ሕማማት ዝፍልፍላ፡ ኣዝየን ድሑራት ትካላት እየን ነይረን። ሕሙም ካብ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ፡ ኣብ ገዝኡ ክንክን ክግበረሉ እዩ ዝሓይሽ ነይሩ። ካብቶም ሓሚሞም ኣብ ገዝኦም ዝድቅሱ፡ እቶም ናብ ሆስፒታላት ዝኣትዉ ናይ ምሟት ዕድሎም ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዕጽፊ ይዛይድ ነበረ። ሆስፒታላት ብሽንቲ፣ ብተምላስን ካልእ ፈሳስታትን ዘዕለቕለቓ እየን ነይረን። ኣፍንጫ ዝቖርጽ ሕማቕ ጨና ስለዝነበረ፡ ሓካይምን ሰራሕተኛታትን ኣፍንጨኦም ብመንዲል ይዓብሱ ነበሩ። ነዚ ድማ እዩ፡ ሆስፒታላት "እንዳ ሞት" እናተባህላ ዝጽወዓ ዝነበራ። ኣብቲ ብዛዕባ ሕማም ዘምጽኡ ታህዋስ (ጀርም) ኣፍልጦ ዘይነበረሉ እዋን ግን፡ ምልባዕ ረኽሲታት ብስነፍልጠት ደው ንምባል ዝፍትን ዝነበረ ሓደ ሰብ ነይሩ። ስሙ ኢግናዝ ሰመልቫይስ ይበሃል። እዚ ሃንጋርያዊ ሓኪም፡ ኣብ ክፍሊ መዋልዳን ንዝረኣይ ዝነበረ መጠን ሞት ንምቕናስ፡ ኣብ ቪየና ብ 1840ታት ኢድ-ምሕጻብ ከም ፍታሕ ከተግብር ፈቲኑ። እንተኮነ ኣይሰመረሉን፤ ብመሳርሕቱ ደኣ ተወገዘ። ጸኒሑ ግን፤ "ንኣዴታት ዘድሕን" እናተባህለ ምውዳስ ኣይተረፎን። ሰመልቫይስ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ቪየና እዩ ዝሰርሕ ነይሩ። ኣብዚ ሆስፒታል፡ ሞት ነነሻዕ እዩ ዝመላለስ ዝነበረ። ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘበን፡ ብዛዕባ ሕማም ዘምጽኡ ታህዋስ (ጀርም) ዝገልጽ ክልስ-ሓሳብ ኣፍልጦ ክሳብ ዝረኸበሉ እዋን፡ ብዙሓት ሓካይም ኣብ ሆስፒታላት ዘሎ ጉድለት ንጽህና ኣብ ምግፋሕ ረኽሲታት ግደ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮምን። ዝያዳ ብረኽሲ ይጥቀዓ ዝነበራ ድማ፡ ዝሓርሳ ኣዴታት እየን። ብፍላይ ድማ እተን ኣብ እዋን ሕርሲ ምቕዳድ ማህጸን ዘጋጠመን ከምኡ ድማ ቁስሊ ዝነበሮምን ሰባት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ነይሮም። ሓካይም ተሰኪሞም ዘምጽእዎም ባክተርያታት፡ እቲ ቁስሊ ጽቡቕ መንበሪ እዩ ዝኾነሎም። ሰመልቫይስ ፈለማ ዘስተውዓሎ ነገር፡ ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ቪየና ኣብ ዝነበሩ ክልተ ክፍልታት ዝነበረ ኣፈላላይ አዩ። ኣብቲ ተባዕትዮ ተምሃሮ ሕክምና ዝሰርሕ ክፍሊ ዝነበረ ሞት ኣዴታትን ትካልን፡ ኣብቲ መዋልዳን ዘመሓድረኦ ዝነበራ ክፍሊ ዘጋጥም ዝነበረ መጠን ሞትን ኣይራኸብን። ኣብ 1847፡ ኣብቲ ደቂተባዕትዮ ተምሃሮ ሕክምና ዘመሓድርዎ ክፍሊ፡ ካብ 1,000 ዝሓርሳ ኣዴታት እተን ኣስታት 98 ሞት የጋጥመን ነይሩ። ኣብቲ መዋልዳን ዘመሓድረኦ ክፍሊ ግን፡ ኣስታት 36 ጥራይ ነይሩ። እዚ ድማ፡ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮ ሕክምና፡ ንተሓከምቲ ብጽቡቕ ዘይሕዙን ዘንገላትዑን ካብ ምዃኖም ዝነቐለ እዩ ዝብል መደምደምታ'ዩ ተዋሂብዎ ነይሩ። ሰመልቫይስ ግን እዚ ድምዳመ ኣየዕገቦን። ኣብቲ እዋን፡ ሓደ መሳርሕቱ ሬሳ እናመርመረ እንከሎ ንገዛእ ኢዱ ድሕሪ ምሕራዱ ምስሞተ፡ ሰመልቫይስ ነቲ ዝደልዮ ዝነበረ ኣፋፍኖት ረኸበ። ኣብቲ እዋን ሬሳ ምጥባሕ፡ ብዙሕ ሓደጋታት እዩ ነይርዎ። ዋላ'ውን እቶም ምኩራት ሓካይም መጥባሕቲ፡ በቲ ዝጥቀምሉ በሊሕ ካራ ኢዶም ይሕረዱ ነይሮም። ሰመልቫይስ፡ መሳርሕቱ ኣብ ቪየና ክመውት እንከሎ ይርእዮ ነይሩ። እቲ ምልክታት ሕማሙ ከኣ፡ ምስቲ ናይተን ዝሞታ ዝነበራ ሓራሳት ተመሳሳሊ ምዃኑ ኣስተብሂሉ። ሓካይም ካብቲ ንትምህርቲን መጽናዕትን ሬሳ ዝጠብሕሉ ክፍሊ ዶ ደኣ "ገለ ደቀቕቲ ነገራት" ናብቲ ክፍሊ መዋልዳን ይወስዱ ይህልዉ? ሰመልቫይስ፡ ብዙሓት ሓካይም ካብ ክፍሊ ሬሳ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ መዋልዳን ከይዶም ከምዘዋልዱ ተዓዘበ። ኣብቲ እዋን፡ ሓካይም ጓንቲ (በጃ ኢድ) ኮነ ካልእ ውሑስ መሸፈኒታት ኣይጥቀሙን ዝነበሩ። ስለዝኾነ፡ ተምሃሮ ሕክምና ካብቲ ኣካላት ሰብ እናጠብሑ ዝምሃርሉ ክፍሊ ሬሳ ክወጽእ እንከለዉ፡ ኣብ ክዳኖም ቁራጽ ስጋን መትንታትን ኣይሰኣንን። ከምኡ ኢሎም ከለዉ ከኣ፡ ኣብቲ ክፍልታት ሕክምና እዛወሩ። መዋልዳን፡ ምኽንያት ሞት ንምጽራይ ኮነ ንትምህርቲ ክበሃል፡ ሬሳ ኣይጠብሓን ዝነበራ። እቲ ኣፈላላይ፡ ካብዚ ዝነቀለ ዶ ደኣ ይኸውን? ሰመልቫይስ፡ ብዙሓት ሓካይም ካብ ክፍሊ ሬሳ ብቐጥታ ናብ ክፍሊ መዋልዳን ከይዶም ከምዘዋልዱ ተዓዘበ። ኣብቲ እዋን፡ ሓካይም ጓንቲ (በጃ ኢድ) ኮነ ካልእ ውሑስ መሸፈኒታት ኣይጥቀሙን ዝነበሩ። ስለዝኾነ፡ ተምሃሮ ሕክምና ካብቲ ኣካላት ሰብ እናጠብሑ ዝምሃርሉ ክፍሊ ሬሳ ክወጽእ እንከለዉ፡ ኣብ ክዳኖም ቁራጽ ስጋን መትንታትን ኣይሰኣንን። ከምኡ ኢሎም ከለዉ ከኣ፡ ኣብቲ ክፍልታት ሕክምና እዛወሩ። መዋልዳን፡ ምኽንያት ሞት ንምጽራይ ኮነ ንትምህርቲ ክበሃል፡ ሬሳ ኣይጠብሓን ዝነበራ። እቲ ኣፈላላይ፡ ካብዚ ዝነቀለ ዶ ደኣ ይኸውን? ሓኪም ጥንሲ ጄምስ ዋይ ሲምፕሰን (1811-1870)፡ ኣብ ሆስፒታላት ዘሎ ብከላ እንተደኣ ምቁጽጻር ዘይከኣል ኮይኑ፡ ሆስፒታላት በብግዚኡ እናፈረሳ ዳግማይ ክህነጻ ኣለወን ይብል ነይሩ። ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ካብ ዝነበሩ ውሩያት ሓካይም መጥባሕቲ ሓደ ዝኾነ ጆን ኤሪክ ኤሪክሰን ድማ፡ ሆስፒታል ሓንሳብ ንደም-ብዝምርዝ-ባክተሪያ እንተተበኪሉ ብዝኾነ ናይ ንጽህና መገዲ ክጸርይ ኣይክእልን እዩ" ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ሰመልቫይስ ግን፡ ክሳብ ምፍራስ ሆስፒታላት ዝበጽሕ ስጉምቲ የድሊ እዩ ዝብል አምነት ኣይነበሮን። እቲ ሕማምን ሞትን፡ ካብ ክፍሊ ሬሳ ብዝመጽእ "ረኽሲ ዘስዕብ ባእታ" ዝነቐለ ምዃኑ ምስተረደኣ፡ ሓካይም ኢዶም ብ 'ክሎሪኔትድ ላይም' ክሕጸቡ ከምዘለዎም ምዒዱ። ኣብ ሆስፒታል ድማ፡ መሕጸቢ ኢድ ኣዳለወ። ኣብ ክፍሊ ሬሳ ዝጸንሑ ሓካይም፤ ቅድሚ ኣገልግሎት ሕክምና ምሃብ ምጅማሮም፡ በዚ ተሃዋስያን ዘጥፍእ ሜላ ክሕጸቡ ገይሩ። ኣብ 1848፡ ኣብቲ ተምሃሮ ሕክምና ዘመሓድርዎ ክፍሊ ዘነበረ መጠን ሞት ዝሓርሳ ኣዴታት ነክዩ። ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ካብ 1,000 ኣዴታት እተን 13 ጥራይ ሞት የጋጥመን። እንተኾነ፡ ሰመልቫይስ መንቀሊ ናይቲ ኣብ ሆስፒታላት ዝነበረ ሕማምን ሞትን፡ ካብ ክፍሊ ሬሳ ብዝመጽእ ብከላ ምዃኑ ንመሳርሕቱ ከእምኖም ኣይከኣለን። ኣብዚ ዛዕባ ዘሐተሞ መጽሓፉ ብዙሕ ነቐፌታት እዩ ኣጋጢምዎ። ድሕሪ እዚ ድማ፡ ንሱ'ውን ኢዶም ንዘይሕጸቡ ሓካይም "ቀተልቲ" ክብል ስም ለጠፈሎም። ኣብ ሆስፒታል ቪየና ዝነበሮ ውዕሊ ስራሕ ክሕደሰሉ ስለዘይከኣለ፡ ናብ ሃገሩ ናብ ሃንጋሪ ተመሊሱ። ኣብ ከተማ ቡዳፔስት፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ሆስፒታል፡ ኣብ ክፍሊ ክትትል ጥንሲ ብዘይመሃያ ስራሕ ጀሚሩ። ኣብታ ንእሽቶ ሆስፒታል ኮነ፡ ኣብቲ ድሒሩ ዝምህረሉ ዝነበረ ዩንቨርሲቲ ዝርከብ ክሊኒክ፡ ክሳብ ንሱ መጺኡ ዘወግዶ ብተመሳሳሊ ኩነታት ዝፍጠር ሕማምን ሞትን ሰፊሕ እዩ ነይሩ። አብ ልዕሊ እቲ ናቱ ክልስ-ሓሳብ ዝቐርብ ዝነበረ ነቐፌታታት ግና ኣቀጸለን። መሳርሕቱ፡ ነቲ ንሱ ከም ፍታሕ ዘምጸኦ ሜላ ክጥቀሙ ዘይምድላዮም ድማ ንሰመልቫይስ ኣዝዩ እናሕረቖ ከደ። ካብዚ ብዝነቅል ኣብ 1861፡ ባህርያቱ ዘይርጉእ እናኾነ መጽአ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ፡ ኣብቲ እዋን ናብ ዝነበረ 'ጽሉላት ሰባት' ናብ ዝዳጎንሉ ማእከል ክኣቱ ተገበረ። ሓደ መሳርሕቱ፡ ሓድሽ ትካል ሕክምና ክንርኢ ኢሉ ኣታሊቱ እዩ ናብቲ ቦታ ወሲድዎ። ሰመልቫይስ እንታይ ይግበር ምህላዉ ጸኒሑ እዩ ተረዲእዎ። ካብቲ ማእከል ክወጽእ ምስፈተነ ድማ፡ ሓለውቲ ናይቲ ማእከል ቀጥቂጦም፡ ኣእዳዉ ሞቊሖም ናብ ጸልማት ክፍሊ ደርበይዎ። ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ቆሲሉ ብዝተፈጠረ ረኽሲ ሞተ። ሽዑ፡ ወዲ 47 ዓመት ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ከብዲ ሓደ እሱር 30 መሳምር ብመጥባሕቲ ወጺኡ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባምንጭ፡ ካብ ከብዲ ሓደ እሱር ኣስታት 30 መሳምርን ከም ሓጺን ስብርባር ቢሮን ዝኣመሰለ ባዕዲዊ ነገራትን ብሕክምናዊ መጥባሕቲ ወጺኡ። እቲ 7 ዓመታት ተፈሪድዎ ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ውልቀሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘለዎ ስለዝተፈለጠ ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ምንባሩ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ኣርባምንጫ ኣይተ ተመስገን ተሾመ ተዛሪቡ። ኣብ 7 ግንቦት 2013 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ድማ ሕማም ከብዲ ከምዝተሰምዖ ስለዝገለጸ ናብቲ ሆስፒታል ተወሲዱ። ሽዑ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ከምዝነበረ ድማ ኣይተ ተመዝገን ገሊጹ። ሰብ ሞያ ሕክምና ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምስሓተትዎ “ሚስማራት ይውሕጥ” ከምዝነበረ ሓቢርዎም። ንዝሃቦም ምላሽ ዝሰምዑ ሰብ ሞያ ሕክምና ብቕልጡፍ ምርመራ ኣልትራሳውንድ ገይሮምሉ፤ ውጽኢት ምርመርኡ ከኣ ኣብ ውሽጢ ከብዱን መዓናጥኡን ባዕዲ ነገራት ከምዘለዉ ኣመልኪቱ። እቶም ዘይተለመዱ ነገራት ኣብ ውሽጢ ካብ ምህላዎም ብተወሳኺ ንመዓንጥኡ ይዕጽው ብምንባሮም’ዩ ብቕልጡፍ መጥባሕቲ ክግበረሉ ዝተወሰነ። መጥባሕቲ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ድማ ንጭጎርኡ ብፍላይ ንመዓናጥኡ ከምዝበሳስዖ ስለዝተፈለጠ ብጥንቃቐ ክእረዩ ከምዝተገበረ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል ኣርባምንጭ ንቢቢሲ ኣረዲኡ። ዝበዝሑ ሚስማራት ዝርከብዎም፣ እስክሪቶታት፣ መርፍእ፣ ዝተፈላለዩ ክርታት፣ ሓጻዊንን ካልእን ኣብ ውሽጢ ከብዱ ጸኒሖም። “ኣብዚ እዋን ኩነታት ጥዕንኡ ጽቡቕ’ዩ ዘሎ፤ ምናልባት ተወሳኺ ምርመራ ከድልይ ይኽእል’ዩ። በላሕቲ ነገራት ይውሕጥ ስለዝነበረ ንውሽጣዊ ኣካላቱ ጎዲእዎ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ኢሉ ኣይተ ተመስገን። ብፍላይ ኣብ ጎሮርኡን ጨጓርኡን ቁስለት ፈጢሩ እንተኾይኑ ምርመራታት ምክያድ ከምዘድልይ ዝሓበረ ኣካያዲ ስራሕ ሆስፒታል አርባምንጭ ኣይተ ተመስግን፡ ካብቲ ዝተገበረሉ መጥባሕቲ ምስሓወየ ተወሰኽቲ ምርመራታት ከምዝግበረሉ ተዛሪቡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምእታዉ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘይነበሮ ብምዝኽኻር ከኣ ኣብዚ እዋን ግን ክትትል ስነ-ልቦናዊ ሕክምና ከምዘድልዮ ገሊጹ። ኣብ ክልል ዓፋር ተዳጕኖም ዝጸንሑ ኣሸሓት ተጋሩ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጀሚሮም ኣብ ሰመራ፡ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር፡ ኣብ ማእከላት መዳጐኒ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝጸንሑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ትማሊ ናብ መረበቶም ክግዕዙ ከምዝጀመሩ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ግዳያት፡ ብ 9 ታሕሳስ 2014 [ግእዝ]፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ሸኸት [ኣብዓላ] ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ዓፋርን ውግእ ድሕሪ ምክያዱ፡ ብሓይልታት ዓፋር ካብታ መዋሳኒት ከተማ ሸኸት ብኣልማማ ተገፊፎም ዝተወስዱ ምዃኖም እዮም ዝዛረቡ። ካብቶም ንልዕሊ 8 ኣዋርሕ ኣብ ከምዚ ኵነታት ዝጸንሑ ተጋሩ፡ ትማሊ ዝተወሰኑ ብኣርባዕተ ኣውቶቡስን ክልተ መካይን ጽዕነትን ካብቲ መዳጐኒ ናብ ሸኸት ከምዝገዓዙ ምንጭታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም። እዚ መስርሕ ምምላስ ተጋሩ፡ ብኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋታት ኢትዮጵያን ምምሕዳር'ቲ ክልልን፡ ምስ ኤጀንሲ ውድብ ሕቡራት [ኦቻ] ብምትሕብባር ይሳለጥ ከም ዘሎ ተፈሊጡ'ሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መስርሕ ምግዕዓዝ ንሰሙናት ክቕጽል እዩ፡" ኢሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ፡ ዝሓለፈ ሰነ 9000 ተጋሩ ኣብ ክልል ዓፋር፡ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛ ተታሒዞም ከም ዘለዎ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ምስ ደቆምንን በዓልቲ ቤቶምን ኣብቲ መዳጐኒ ዝጸንሑ ሓደ ሽማግለ ኣቦ ስድራ፡ ንስድራኦም ሓዊሱ ካልኦት ብዙሓት’ውን ሎሚ ንግሆ ናብቲ መረበቶም ክውሰዱ ይጽበዩ ከምዘለዉ ወሲኾም ኣረዲኦም። እቶም ህጻናትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 9 ሽሕ ዝዀኑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብታ መረበቶም ዝዀነት ከተማ ሸኸት ከም ምሩኻት ተታሒዞም፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከቡ ክልተ ማእከላት ምስ ተወስዱ፡ ኣብ ሕሱም ኵነታት ምጽንሖም፡ ቅድም ክብል ቢቢሲ ኣቃሊሑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ድሒሩ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ እቶም ብመንነቶም ከም እሱራት ኣብ ማእከል መዳጐኒ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰላማውያን ሰባት፡ ንህይወት ሓደገኛ ኣብ ዝዀነ ኵነታት ከምዝርከቡን ብህጹጽ ናብ ዝደለይዎ ክስደደዱን ምሕታቱ ይዝከር። ኣብቲ ማእከል እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም ንህጻናት ከምዘጥቅዐ’ውን እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ ነይሩ። እቶም ኣብቲ ማእከል መዳጐኒ ዝጸንሑ መራሒ ስድራ ሽማግለ፡ “ተዓፊንና ኢና መጺእና ነይርና” ይብሉ። ከመይ ከምዝተወስዱ ክዝክሩ እንከለው፡ “ጥኑሳትን ሓራሳትን፡ ሽማግለታትን ኣካለ-ጐዶሎን ከይተረፉ፡ ካብ ቤት ንብረትና ምስ ደቅና ምስ ዕያልና ኣውጺኦምና። ቅርሺ ዘለዎ ቅርሹ ሓዲጉ፣ ገንዘብ ዘለዎ ገንዘቡ ሓዲጉ እዩ ተሓፊሱ ተወሲዱ፡” ኢሎም። መብዛሕትኦም ሓረስቶት ከምዝዀኑን ጽቡቕ ኣታዊ ከምዝነበሮምን ዝዛረቡ እቶም ወላዲ፡ ኣእካሎምን ንብረቶምን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተዘመተ ይዛረቡ። “ዓንተቦኡ ደቀባት ኢና፣ ደቂ ዓዲ ኢና፣ ብጣዕሚ ሃፋትም ኢና ነይርና፡” ኢሎም። ኣብቲ ማእከል ጻንሒቶም ብዝምልከት፡ ኣዝዩ ንህይወት ከቢድ ከምዝነበረ ዝዛረቡ እቶም ወላዲ፡ ብዙሓት ኣእምሮኦም ከምዝተቓወሰን፡ ህጻውንትን ዓበይቲ ሽማግለታትን በቲ ሃሩር ተሳቕዮም ከምዝነበሩን ተዛሪቦም። ብተወሳኺ፡ ልዕሊ 85 ሰባት ብሕማምን ጥሜትን ከምዝሞቱን ኣብቲ ከባቢ ከምዝተቐብሩን ይገልጹ። እዞም ወዲ ስሳታት ዓመት ዝዀኑ ሽማግለ፡ “ናብኡ ዝተወሰድኩ ምስ ሸውዓተ ርእሰይ እየ። ኣብኡ ምስ ከድና ደቀይ ንበይኖም፡ ሰበይተይ ንበይና፡ ኣነ ንበይነይ፡ ክሳብ እዛ ሎምዓንቲ ተራኺብና ኣይንፈልጥን” ኢሎም። ካልእ ኣብቲ ማእከል እትርከብ ኣደ ክልተ ቈልዑ ድማ፡ እቶም ዛጊድ ዝገዓዙ ቍጽሮም 240 ከምዝዀኑን ክሳብ ኣፍዴራ ዝተባህለ ከባቢ ምስቶም ዝምለሱ ብስልኪ ይደዋወሉ ከምዝነበሩን ንቢቢሲ ኣረዲኣ። ካብኡ ንደሓር ግን፡ ስልኪ ስለዘይሰርሕ ኵነታቶም ምፍላጥ ኣይከኣልናን ትብል። ወሲኻ፡ እቲ ጕዕዞ ረፋድ ሰዓት ሓሙሽተ ኣካባቢ ከምዝተጀመረ፡ ኣማስያኦም ናብ ከተማ ሸኸት ክኣትው እዮም ዝብል ግምት ከምዘለዋን፡ ተዛሪባ። እቶም እሱራት ስድራቤታት፡ ድሌቶም ምስ ተሓተቱ እዮም ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዝመረጹ ዝገልጹ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣመሓደርቲ እቲ ወረዳ፡ "ሕዚ ሰላም ኰይኑ እዩ'ሞ ናብ ዓድኹም ክንመልሰኩም" ኢሎም ከምዘዛረብዎም'ውን ኣታ ኣደ ቘልዑ ሓቢራ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ፡ ነቶም ነበርቲ ዝሓዛ ኣውቶቡሳት ናብ ከተማ ሸኸት ክግዕዛ ዝረኣየን ኣባላት ስድራኡ ከምዝርከብዎም ዝገለጸን ካልእ ምስክር ዓይኒ፡ እቶም ነበርቲ፡ መረበቶምን ሃብቶምን ምሉእ ብምሉእ ተዘሚቱ ወይ ድማ ተቓጺሉ ከምዝዀነን፡ ኣብኡ ከይዶም ብኸመይ እግሪ ከምዝተኽሉን ሻቕሎት ከምዘለዎም ሓቢሩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚኣቶም፡ "ውሽጣዊ ተመዛበልቲ" ምዃኖም ክገልጽ እንከሎ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጲያ ግን፡ "ብሰንኪ መንነቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝተታሕዙ እዮም" ክብል እዩ ዝገልጽ። ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ ካብ ሰብ መዚ ክልል ዓፋር ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን። መንግስቲ ኣብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝተፈጸመ 'መስካሕኽሒ ተግባር' ኣጻርዩ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከምዝተፈጸመ ዝዝረበሉ ዘሎ መስካሕኽሒ ተግባር፡ ኣጻርዩ ኣብ ልዕሊ ፈጸምቲ እቲ ገበን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣፍሊጡ። ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝዘዋወር ዘሎ መስካሕኽሒ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ዓቢ ቁጥዐ ዝፈጠረ ኾይኑ፡ ብዙሓት መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ክሓቱ ተስተውዒሎም። ነዚ ስዒቡ፡ ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ ሎሚ ኣብ ዘወወጸኦ መግለጺ፡ እቲ ተግባር ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ዞባ መተከል፡ ጉባ ወረዳ፡ ቀበሌ አይሲድ፡ ከም ዝተፈጸመ ብምሕባር፡ "ኣዝዩ መስካሕኽሒን ኢሰብኣውነትን ዝተመልኦን" ክብል ኮኒንዎ። እቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ ሰባት ብህይወት እናሃለዉ፡ ብዝስካሕኽሕ ኩነታት ብሓዊ ኣቃጺሎም ክቐትሉዎም ይረአዩ። መንነት እቶም ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ዘይረአ እንተኾነ'ኳ፡ ነቲ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት ግን ገጾም ብውስን ደረጃ ይረአ እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ተግባር እንትፍጸም ኣብቲ ከባቢ ሰባት ተኣኪቦም ክዕዘቡ ይረአዩ። ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን፡ ነዚ 'ኢሰብኣዊነት ዝተመልኦ ተግባር' ኢሉ ዝገለጾ ፍጻመ፡ "መበገሲኡ ዝኾነ ይኹን፡ ነዚ ኢሰብኣዊነትን ጭካነ ዝተመልኦን ዝፈጸሙ ኣካላት መንግስቲ ኣጻርዩ ናብ ሕጊ ከምዘቕርብ" ኣፍሊጡ። እንተኾጀነ፡ እዚ ጉዳይ ብዝምልከት፡ ዛጊድ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ዝተውሃበ መግለጺ የለን። ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ኣብታ ሃገር ናይ ጸጥታ ጸገም ካብ ዘለዎም ኣከባብታት ሓደ እንትኸውን፡ ዕጡቓት ብዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ክጽብጸብ ጸኒሑ እዩ። ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ብዙሓት ክመዛበሉን ኣብ ጎረቤት ክልላት ከዕቑቡን ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ዝኾኑ ዕጡቓት ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብዝፈጸምዎ መጠቃዕቲ፡ 20 ሰባት ከምዝተቐትሉ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ይዝከር። ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ጸገም ጸጥታ ንምዕራይ፡ ካብቲ ክልልን ካብ መንግስቲ ፌዴራልን ዝተውጻጽኡ ሓይልታት ጸጥታ ሓቢሮም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዝረአ መጥቃዕትን ዘይምርጋግእን፡ ኣብዝሓ እቲ ከባቢ ብሓበራዊ ጸጥታ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን፡ ብኮማንድ ፖስት እዩ ዝመሓደር ዘሎ። ሩት ነጋ ዝተዋስአትሉ ጸላም ከም ጻዕዳ እትሓልፈሉ ፊልም 'ፓሲንግ' ዓለምለኻዊ ኣገልግሎት ምዝንጋዕ ኢንዳስትሪ ፊልም ኔትፍሊክስ ኣብ ቀረባ 'ፓሲንግ' ዝተሰምየ ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሩት ነጋ ዝተሳተፈትሉ ፊልም ክዝርግሕ'ዩ። እዚ ፊልም ኢትዮጵያዊት ፈላሲት ተጻዋቲት ፒያኖ ጽጌ ማርያም ገብሩ ዝሰርሕኦ ሙዚቃ መዐጀቢ ኮይኑ ቐሪቡ ኣሎ። ፓሲንግ [PASSING] ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ብ1929 ዓ.ም ብኔላ ላርሰን ዝተጽሓፈ መጽሓፍ'ዩ። እዚ መጽሓፍ ብዛዕባ ኣብ 1920ታት ካብ ቁልዕነተን ኣትሒዘን መሓዙት ዝኾና ክሌር ኬንድሪን ኣይረን ሬድፊልድን ዝተባህላ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ የዘንቱ። ሓንቲ ካብአን ዝኾነት ክሌር ኬንድሪ በዓል ቤታ ጻዕዳ ስለ ዝኾነ፡ ጸላም ምዃና ከይፈልጠ እትሓልፎ ህይወት ኣለዋ። እዚ ቀሊል ኣይኮነን፤ ዘሕዝኑ ፍጻሜታት እቲ ታሪኽ ድማ በቲ ጆን ብሊው ዝተባህለ በዓል ቤታ ዝተኣልሙ'ዮም። ኣብዚ መጽሓፍ ዝተሞዝርኮሰት ፊልም ፓሲንግ፡ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ኣብ ኔትፍሊክስ ክትዝርሕ'ያ። ኣብዚ ፊልም ትውልደ ኢትዮጵያዊት ኣየርላንዳዊት ሩት ነጋ ታሪኽ ክሌር ተላቢሳ ተዋሲኣ ኣላ። "ክሌር፡ ሕብረሰተሰብ ብዘቐመጦም ቀየድትን ዘገድዱን ነገራት ኣይትግዛእን። እዚ ኽኣ ኣብቲ ግዜ ገበን'ዩ ነይሩ" ብምባል እዚ ዓሌታዊ ወጽዓ ንዓኣ መሰንበዲ ምዃኑ ገሊጻ። ብምስዓብ፡ ኣብዚ ፊልም "ነቲ ዘይምዕሩይ እምቢተኝነት ክሌር ፈቲየዮ እየ፤ ንሳ ስሩዕ ህይወት ክህልዋን ንባዕላ ክትመስልን እምበር ሰውራዊት ክትኸውን ድልየት ኣይነበራን" ክትብል ነታ ዝተላበሰታ ገጸ ባህርይ ትገልጻ። ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኣመሪካ ጸለምትን ጸዓዱን ኣይተሓዋወሱን ዝነበሩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣውቶቡስ ኣብ ዝጓዓዝሉ'ውን እቲ ናይ ቅድሚት መናብር ንጸዓዱ'ዩ ዝሕዛእ ነይሩ። ጸለምቲ ድማ፡ ብናይ ድሕሪት ማዕጾ ኣትዮም ኣብቲ ናይ ድሕሪት መናብር እዮም ኮፍ ዝብሉ። እቲ ናይ ጸዓዱ መናብር እንተመሊኡ'ሞ፡ ጻዕዳ ተሳፋሪ እንተኣትዩ፡ እቲ ዘዋሪ መኪና ነቶም ጸለምቲ ሓፍ ኣቢሉ፡ ንጻዕዳ ኮፍ ከብለሉ ልሙድ ነይሩ። ብምኽንያት እቲ ኣብ ሞንጎ ጸለምትን ጸዓዱን ዘሎ ዓሌታዊ ኣፈላላይ፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ክሳብ ሕጂ ንማዕርነቶም ይቃለሱ ኣለው። ነዚ ዝሓልፉዎ ህይወት ከኣ'ዩ፡ 'ፓሲንግ' [PASSING] ዝብሃል ዘሎ። ኣላዪት ፊልም 'ፓሲንግ' ሬቤካ ሆል ድማ እቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ታሪኻዊ ዕምቆት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘጋጥሞም ዓሌታዊ ኣፈላላይ ብዝሓሸ መልክዑ ክትርዳእ ከም ዝሓገዛ ትዛረብ። "ምስቲ መጽሓፍ ብፍሉይ ዓሚቕ ምትእስሳር ነይሩኒ፤ መጀመርታ ምስ ኣንበብኩዎ ናይ ባዕለይ ስድራቤት ዝሓለፉዎ ህይወት ክሓስብ ጀሚረ፤ ኣቦ ሓጎይ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ'ዩ ነይሩ፡ ግን ዝበዝሕ ህይወቱ ከም ጻዕዳ ኮይኑ'ዩ ሓሊፉዎ። እቲ መጽሓፍ ክኣ ነቲ ኩነታት ዝርድኣሉ ጽፍሒ ሂቡኒ" ትብል። ሩት ነጋ፡ ካብ ኣየርላንዳዊት ነርስ ኣደን ኢትዮጵያዊ ኣቦን ብ1982 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ፤ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኮነት ግን ካብታ ሃገር ወጺኣ ኣብ ኣየርላንድ እያ ዓብያ። ኣብ ብርክት ዝበሉ ፊልምታትን ናይ ቴሌቪዥን ድራማታትን ዝተዋስአት ሩት፡ ብ2020 ኣይሪሽ ታይምስ ኣብ ዝሓረዮም ብሉጻት ተዋሳእቲ ኣየርላንድ መበል 10ይ ሰሪዑዋ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ 17 ፊልምን 10 ናይ ቴሌቪዥን ድራማታትን ሰሪሓ ኣላ። ሕጂ ድማ ሼክስፒር ዝጽሓፎ ማክቤዝ ምስቲ ጄምስ ቦንድ ኮይኑ ብምውሳእ ዓለማዊ ዝና ዝረኸበ ኢንግሊዛዊ ተዋሳኢ ዳኒኤል ሮግተን እመቤት ማክቤዝ ኮይና ክትሰርሕ እያ። ሩት፡ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ጆርጂያ ኣብ ዝተኻየደ መበል 24 ፌስቲቫል ፊልም ሳቫና [SCAD] ተሸላሚት ነይራ። ኣመሪካ፡ ፈልዩ ንጸለምቲ ዝቐተለ ውልቀሰብ 'ሕሉፍ' ጻዕዳ ምንባሩ ተፈሊጡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣመሪካ ማሳቹሴትስ ሓደ መንእሰይ ንኽልተ ጸለምቲ ብጥይት ቀቲሉዎም። እዚ ናታን ኣለን ዝተባህለ ኣኽራሪ ጻዕዳ ኣመሪካዊ ካብ ሓደ ተኾናታሪ መኪና ሰሪቑ ነታ መኪና ምስ ሓደ ገዛ ብምግጫው ነቲ ገዛ ምስ ኣፍረሶ ነቶም ሰባት ክቐትል ናብቲ ገዛ ኣትዩ። እቲ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ በዓል ሓዳርን ምሩቕ ሳልሳይ ዲግርን'ዩ፤ ይኹን'ምበር ዝኾነ ዓይነት ገበን ፈጺሙ ኣይፈልጥን። ናታን ነቲ ዝሰረቖ ናይ ጽዕነት መኪና ምስቲ ገዛ ምስ ኣጋጨዎ ካብታ መኪና ወሪዱ ካልእ መኪና ክሰርቕ'ውን ፈቲኑ ነይሩ። ድሕሪ'ዚ ብእግሩ ከይዱ በቲ ሒዙዎ ዝነበረ ብረት ፈልዩ ንጸለምቲ ጥራሕ ቀቲሉ። እቶም ግዳያት ዴቭ ግሪንን ራሞና ኩፐን ዝብሃሉ ጸለምቲ ኮይኖም፡ ኣብ መጀመርታ 60ታት እትርከብ ሰራሕተኛ ሓይሊ ኣየር ራሞና ኩተር ብድሕሪታ ብተደጋጋሚ ተተኲሱዋ ክትሞት እንከላ ናብ ወዲ 68 ዓመት ዴቭ ግሪን ድማ ተኲሱ ቀቲሉዎም። እቲ ቀታሊ ብእግሪ ኣብ ዝጉዓዘሉ እዋን ብዙሓት ጸዓዱ እኳ እንተረኸበ ዋላ ንሓዲኦም ግን ክቐትል ኣይፈተነን። ንሱ እቶም ሰባት፡ ጸለምቲ ብምዃኖም ጥራይ ከም ዝቐተሎም ክግለጽ እንከሎ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝገበሮ ምልውዋጥ ተኩሲ ከም ዝተቐትለ ተሓቢሩ። ድሕሪ'ዚ ፖሊስ ማሳቹሴትስ ናታን ኣለን ህልም ዝበለ ዓሌታውን ብልዕልነት ጽዓዱ ዝኣምን ከም ዝነበረን ፈሊጡ። ቐጺሉ ኣብ ዝተገብሩ መርመራታት'ውን ናታን ኣለን ጸዓዱ ልዕሊ ናይ ወዲ ሰብ ዘርኢ ከም ዝኾኑ ዝገልጹ ጽሑፋት ከም ዝጽሓፈ ተፈሊጡ። ብተወሳኺ ኣይሁድ ዝጸልእን ኣንጻር ጸለምቲ ከም ዝነበረን ባዕሉ ኣብ ዝጽሓፎም ጽሑፋት ኣስፊሩ ይርከብ። ኣብቲ ማህደሩ'ውን ኣርማ ናዚ ስኾነ ስዋስቲካን ኣቐሚጡ ኣሎ። ኣመሓዳሪ ማሳቹሴትስ ቻርሊ ቤከር ነቲ ተግባር መነወሪ ክብል ኮኒኑዎ። ብሰንኪ ዓሌታዊ ጸርፊ ትማሊ ዝተቋረጸ ግጥም ጋንታታት ፒኤስጅን ኢስታንቡል ባስክሰሁርን ሎሚ ክካየድ እዩ ኣብ ሞንጎ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይንን ቱርካዊት ጋንታ ኢስታምቡል ባሳክሰሂርን ትማሊ ዝካየድ ዝነበረ ግጥም ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ፡ ራብዓይ ዳኛ ኣብ ልዕሊ ኣባል ጋንታ ኢስታምቡል ባሳከስሂር ዓሌታዊ ጸርፊ ጻሪፉ ብዝብል እቲ ጸወታ ድሕሪ ምቁራጹ፡ እቲ ጸወታ ሎሚ ክካየድ ተወሲኑ። ጋንታ ኢስታንቡል ባሳክሰሂር ራብዓይ ዳኛ ሰበስትያን ኮልተስኩ፡ ንምክትል ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ፔር ወቦ ዓሌታዊ ጸርፊ ጸሪፍዎ ብምባል ከሲሳ። ምክትል ኣሰልጠኒ ጋንታ ኢስታንቡል ተጻዋታይ ሃገራዊ ጋንታ ካሜሮን ነበር ወቦ፡ ምስ ራብዓይ ዳኛ ድሕሪ ምዝርራቡ ቀይሕ ካርድ ተዋሂቡ። እቲ ራብዓይ ዳኛ ንወቦ ዓሌታዊ ጸርፊ ምስ ጸረፎ ተጻወትቲ ጋንታ ኢስታንቡል ሜዳ ገዲፎም ብምውጻእ ናብ መቀየሪ ክዳን ኣትዮም፡ ተጻወትቲ ፓሪስ ሰይንተ ጀርመይን’ውን ንዕኦም ስዒቦም ካብ ሜዳ ወጺኦም። እዚ ክስትት እዘን ኣብ ጉጅለ ኤች ዝርከባ ክልቲአን ጋንታት 14 ደቓይቕ ምስ ተጻወታ እዩ ኣጋጢሙ፡ ክሳብ ሽዑኡ ኸኣ ሸቶ ከየመዝገባ ዜሮ ብዜሮ እየን ነይረን። እቲ ኣብ መበል 14 ደቂቕ ዝተቋረጸ ጸወታ ሎሚ ሮቡዕ ነቲ ተሪፍዊ ዘሎ ግዜ ንምዝዛም ሰዓት 8፡55 ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸወተአን ክቅጽላ ተወሲኑ ኣሎ። ማንቸስተር ዩናይትድ ብጋንታ ቢ ለይፒዝግ ስለዝተሰዓረት፡ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ድሮ ምስተን ዝሓለፈ 16 ጋንታታት ምኳና ኣረጋጊጻ’ያ። ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ምስ ክልቲአን ጋንታታት ድሕሪ ምዝታይ፡ እቲ ጸወታ ካብቲ ዝተቋረጾ ብኻልእ ጉጅለ ደያኑ ክካየድ እዩ ሊሚ ክካየድ” ኢሉ። እቲ መግልጺ ብምስዓብ “ነቲ ዝነበረ ክስተት ንኽጻረ’ውን ብቅልጡፍ መስርሕ መርመራ ክጅመር’ዩ” ኢሉ። ኣብ ተቀያሪ መንበር ዝነበረ ኣጥቃዓይ ጋንታ ኢስታንቡል ደምበ ባ “ንምንታይ? ንምንታይ ጸሊም ትብል? እዚ ጸሊም ወዲ ምባል ንምንታይ ኣድለየካ?” እናበለ ነቲ ራብዓይ ዳኛ ክዛረቦ ይስማዕ’ዩ። ሰብ መዚ እቲ ውድድር፡ እቲ ጸወታ ኣብቲ መዓልቲ ክካየድ ከምዘይክእሉ ንኽውስኑ ሓደ ሰዓት እዩ ወሲድሎም፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ጸወታ ክቅጽል ትጽቢት ዝነበሮም ተጻወትቲ ፒኤስጂ ኣብቲ ናብ መቐየሪ ክዳን ዝወስድ ኮሮድዩ ነብሶም የወዓዕዩ ነይሮም፡ ተጻወትቲ ጋንታ ኢስታንቡል ግን ሓንሳብ ናብ መቐየሪ ክዳን ምስ ኣተዉ ኣይተመለሱን።ብድሕሪ እዚ ኣጥቃዓጥ ጋንታ ፒኤስጂ ካይልያን ምበፐ ኣብ ትዊተር “ኣይፋል ንዓሌታውነት፡ ወበ ኣብ ጎንኻ ኣለና” ዝብል ጽሑፍ ለጢፉ። ፕረዚደንት ቱርኪ ብወገኑ ማሕበር ኵዕሲሶ እግሪ ኣውሮጳ “ግቡእ ስጉምቲ ክውስድ” ትጽቢት ከምዝገብር ብምግላጽ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ “ኣብ ስፖርትን ኣብ ካልእ ዓውድታትን ኣድልዎ ንኸይህሉ ኣንጻር ዓሌታውነትን ኢና” ኢሉ። ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐተሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ገሊጸን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል መቴከል ዞን ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ገሊጾም። ቢቢሲ'ውን ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምኡ'ውን ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምዝርራብ 120 ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ብዙሓት ሰባት ከኣ ከምዝተጎድኡ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ። ናይቲ ክልል ሓላፊ ህዝቢ ርክባት ኣቶ መለሰ በየነ በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ክንደይ ሳባት ከምዝተቐተሉ ክገልጽ እኳ እንዘይከኣለ እቶም ዝተቐተሉ ብዙሓት ምኳኖም ገሊጹ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ 'ጸረ-ሰላም' ክብል ዝገለጾም ሓይልታት ድማ ተሓተትቲ ገይሩ። ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መግለጺ፡ ''ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ዝፍጸም ዘሎ ጭፍጨፋ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ፡ ኣብ ልዕሊ ወገንና ዝተፈጸመ ዘይስብኣዊ ተግባራት ኣዚና ኢና ሓዚንና፡ ነቲ ጸገም ብዝተፈላለየ መንገዲ ንምፍትሑ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ክንድቲ ዘድሊ ውጽኢት ከምጽእ ኣይከኣለን'' ኢሉ። ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስ ሚኒሰተር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል፣ ኢታማጆር ሹም ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ፣ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣቶ ኣሻድሊ ሓሰንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምዃን ብሰሉስ ምስ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዘተ ምክያዱ ዝዝከር እዩ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ይጥሓስ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ ኢሉ። ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብወገኑ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተቐተሉ ሰባት ኣመልኪቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣዝዩ ዘስካሕክህ ቅትለት እዩ፡ እብቲ ክልል ዝነበረሩ ኣምሓሩ፡ ኦሮሞን ሺናን ዒላማ ዝገበረ ድማ'ዩ"ኢሉ። ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብምስዓብ "መንግስቲ ነዚ ኣብ ብሄር ዕላማ ዝገበረ ምቅትታል ቀልጡፉ ደው ከብሎ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ'' ኢሉ። ነበርቲ እንታይ ይብሉ? ቢቢሲ፡ ካብ መንጎ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዞባ መተከል፡ ወረዳ ቡለን: ሓደ ከምዝበሎ፡ ኣጋ ወጋሕታ ሰዓት 11 [5፡00] ጀሚሩ ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 6 [12፡00] ተኹሲ ነይሩ። ንሱ፡ "ሬሳታት ይእከብ እዩ ዘሎ። ከባቢ 100 ሬሳ ዝተረኸበ ኮይኑ ብዙሓት ናብ ጫካ ዝሃደሙ ኣለዉ። ኣነ ናብ ከተማ ቡለን ዝመጽአ ኣስታት 70 ኣስከሬናት ብዓይነይ ርእየ'ለኹ። ሕዚ'ውን ኣብ ከተማ ቡለን ቀበሌ በኩቺ ኣብ ሓደ እንዳሓዘን እየ ዘለኹ። ናይ መሓዛይ ኣቦ ስለዝተቐተሉ ኣብኡ ኣለኹ። ገዛ ይሕሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተኲሶም ቀቲሎምዎ" ኢሉ። ካልእ ነባሪ ወረዳ ቡለን ድማ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ዕጡቓት ከምዝኾኑን፡ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 96 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 28 ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ተዛሪቡ። "ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ሰባት'ዩ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ኣብ ከተማ ቡለን እየ ዝነብር፤ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ድማ ካባና ኣስታት 47 ኪሎሜትር ይርሕቕ። ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ዝርከቦም ኣስከሬናት ብሻራ ተጠቕሊሎም ኢኻ ትርኢ። ገና ኣብ ፎቖዶ በረኻ ዝወደቑ'ውን ኣለዉ" ኢሉ። እቲ ነባሪ፡ እቶም ዕጡቓት ናይ ለይቲ ሰዓት 9 [3፡00] ናብ ቀበሌ በኩይ ከምዝኣተው ብምግላጽ፡ "96 ኣስከሬናት ብዓይነይ ሪኤ" ክብል መስኪሩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ ብኸቢድ ኣጽዋር ዝተዓጀበ ከምዝኾነንን እቶም መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ተወለድቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ከምዘይኮኑን ገሊጹ። ስሙ ዘይንገልጾ በዓል ሞያ ሕክምና ሆስፒታል ቡለን ፤ በቲ መጥቃዕቲ ዝቑሰሉ ብዙሓት ሰባት ናብ ሆስፒታሎም ከምዝመጽኡ አረጋጊጹልና። ክሳብ 40 ዝኾኑ ቁሱላት ናብቲ ሆስፒታል ከምዝመጽኡን ካብ መንጎኦም ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ከምዝርከቡን ተዛሪቡ። ኣብዝሓ ብጥይት፣ ብቐስትን ብኻራን ዝተወግኡ እዮም - ኢሉ። ካብ መንጎኦም ሓንቲ ጓል 4 ዓመት ቆልዓ ሕክምና እናተገበረላ እንተሎ ከምዝሞተት'ውን ወሲኹ ሓቢሩ። እቲ በዓል ሞያ ከምዝብሎ፡ እቶም ነበርቲ ኣብ ክባ ብምእታው መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም እቶም ግዳያት ይገልጹ። አብዚ እዋን ሆስፒታል ቡለን ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ቁሱላት የተኣናግድ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ በዓልሞያ ጥዕና፡ መገዲ በሰንኪ ጸጥታ ብምዕጻዉ ድማ እቲ ካብ ባህርዳር ዘምጽእዎ ዝነበሩ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ኣረዲኡ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ፡ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሕ ዝዛረቡ ሰብ ሞያ ሕክምና፡ እዚ መጥቃዕቲ እቲ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ሓለፍቲ መንግስቲ'ቲ ክልልከ እንታይ ይብሉ? ኣመሓዳሪ ዞባ መተከል ኣይተ ኣትንኩት ሽቱ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ሓበሬታ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። ሓላፊ ኮምኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ መለስ በየነ ግን እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ኣረጋጊጹ፡ ብዝሒ ዝተቐትሉ ሰባት ልዑል ከምዝኾነ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብቲ ዞባ ብተደጋጋሚ ንዝፍጠሩ ጸገማት ጸጥታ ንምፍታሕን ነዞም 'ጸረ ሰላም ሓይልታት' ዝብሎም ንምጽራይን፡ ብሰራዊት ምክልኻል፣ ፌደራል ፖሊስን አባላት ጸረ-ደባይ እቲ ክልል ዝተዋደዱ ስጉምትታት ክውሰዱ ከምዝጸንሑ ተዛሪቡ። "ኣብዚ እዋን ብቑጽሪ ዝገልጾ መረዳእታ የብለይን። ግን ከኣ እቲ ዝበጽሐ መጠን ጉድኣት ልዑል ምዃኑ'ዩ ካብቲ ከባቢ ተሓቢሩኒ። እቲ ተኹሲ ካብ ዝተኸፈተሉ ሰዓት ጀሚሩ ድማ አባላት ምክልኻል ሃገር፣ ናይ ክልልና ጸረ-ደባይን ሚሊሻታታን ናብኡ ብምኻድ ነቲ መጥቃዕቲ ይከላኸል እዮም ዘለዉ። ተወሳኺ ሓይሊ ተላኢኹ'ውን አብ ልዕሊ እቶም 'ጸረ-ሰላም' ሓይልታት ስጉምቲ እናተወሰደ እዩ" ኢሉ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ናብቲ ክልል ምምጽኡ ዘዘኻኸረ እቲ ኣማሐዳሪ፡ ነቲ ኣብ ዞባ መተከል ዘጋጥም ተደጋጋሚ ጸገም ጸጥታ ንምፍታሕ ዘኽእል መምርሒ ስራሕ ሂቡ ምስተመለሰ ነቲ መምርሒ ንምፍጻም ምንቅስቓስ ኣብ ዝተጀመረሉ ጽባሕ: እቲ ናይ ሎመዓልቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመ ተዛሪቡ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ዘካየዶ ዘተ ብዝተኣሳሰር ቅረታ ኣለዎም። ቅረተኦም እንትገልጹ ድማ፡ " እቲ ዘተ ጸገም ኣብ ዘይተርአየሉ ከባቢ እዩ ተኻይዱ። እቲ ጸገም ኣብ ዲባጤ ቡልንን ሓዊሱ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት እዩ። ካብዞም ወረዳታት ዝተወከለን እቲ ጸገም ዘረድእን ዋላ ሓደ ኣብቲ ዘተ ኣይተረኸበን" ኢሉ። ኣብቲ ዘተ ከይርከቡ ድማ፡ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል ጽዕንቶ ከምዝተገብረሎም ዝዛረቡ ኮይኖም፡ ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ነዚ ዝተልዓለ ቅረታ ከረጋግጹ ኣይከኣሉን። ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝዘለቐ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ሞት ብዙሓት ሰባት ከም ዝኾነ ክግለጽ ጸኒሑ። እቲ ዝተፈጥረ ጸገም ንምዕጋት፡ ሰራዊት ምልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ዝሓዘ ሓይሊ ዕማም ንኣዋርሕ ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሩ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ይቕጽል ኣሎ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ወረዳ ቡለን ናብ ቻግኒ ትጉዓዝ ዝነበረት ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ምሟቶም ይዝከር። ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ምስ ክልል ኣምሓራ ዝዋሰንን ተወለድቲ ዝተፈላለዩ ብሄረሰባት ዝነብሩሉን'ዩ። ብቐንዱ ተወለድቲ ጉሙዝ፣ ሽናሻ፣ ኣምሓራ፣ ኣገው፣ ኦሮሞን በርታን ይርከቡ። ኣብ ሓደ ነባር ቤት ትምህርቲ ካናዳ፡ ናይ 215 ተምሃሮ ኣዕጽምቲ ዝሓዘ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ ኣብ ሓደ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተጣየሸን ኣብዚ እዋን ኣገላግሎት ዘይህብን ቤት ትምህርቲ ካናዳ ናይ 215 ህጻናት ኣዕጽምቲ ኣብ ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ። እቲ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተዓጸወ ካምሉፕስ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ [ካምሉፕስ ኢንዲያን ሬዚደንሻል ስኩል] ንካናዳውያን ቀዳሞት ተወለድቲ ናይ ጸዓዱ ባህሊ ንምልምማድ ብዝብል ዝተጣየሸ እዩ። ኣብ 1978 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ድማ ከምዝተዓጸወ ይግለጽ፤ ደቂ’ቶም ቀዳሞት ተወለድቲ ዝመሃሩሉ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ምንባሩ ከኣ ይፍለጥ። ብጅምላ ዝተቐበሩ ህጻናት ምህላዎም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ዝተገበረ ኮይኑ ካብ ሞንጎ’ቶም ተምሃሮ ክሳብ 3 ዓመት ዕድመ ዝኾኖም ህጻናት ከምዝነበርዎም ውጽኢት ቀዳማይ ደረጃ ምርመራ የመልክት። ካብ 1863-1998 ኣብ ዝነበረ እዋን 150 ሽሕ ህጻናት ካብ ስድርኦም ብኣስገዳድ እናተወሰዱ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ይመሃሩ ነይሮም። ኣብቲ ሽዑ ብቋንቁኦም ምዝራብ ኮነ ንዝመጽኡሉ ባህሊ ክኽተሉ ኣይፍቀደሎምን ነይሩ፤ ከበድቲ ግህሰታት’ውን ይፍጸሞም ምንባሩ ይዝረብ። ቀዳማይ ሚንስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ “ኣብ ታሪኽ ሃገርና ነቲ ዘሕፍር ዝበሃል ዘሕዝን ኩነታት ዘዘኻኽረና እዩ” ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ። ተወለድቲ ናይቶም ቀዳሞት ካናዳውያን ምስ ቤተ-መዘክርን ካልኦት ሰብሞያን ብምትሕብባር እቶም ህጻናት ዝሞቱሉ እዋንን ምኽንያት ሞቶምን ንምፍላጥ ክሰርሑ ጀሚሮም ኣለዉ። ክሳብ ሎሚ ግን ንምኽንያት ሞት እቶም ህጸናት ዝሕብር ትኽክለኛ መረጋገጺ ኣይተረኸበን። መራሒ ማሕበረሰብ ናይታ ካምሉስፕ ብዝብል እትፍለጥ ንኢሽተይ ከተማ፡ ሞት ናይቶም ህጻናት በቲ ቤት ትምህርቲ ከምዘይተመዝገበ ብምሕባር ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ዝኾነ ጥፍኣት ከምዝተፈጸመ ገሊጹ። እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ሞንጎ’ቶም ንባህሊ ጸዓዱ ካናዳውያን ንምስራጽ ዓሊሞም ዝተጣየሹ ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ዝዓበየን ኣብ ትሕቲ ሮማን ካቶሊክ ዝመሓደር ዝነበረን’ዩ። ኣብ 1969 ከኣ ማእከላይ መንግስቲ ነቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ተቐቢሉ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ቆልዑ ብምቕባል ኣብኡ እናነበሩ ክመሃሩ ይገብር ነይሩ። ኣብ ኣትላንታ ብቕትለት ሽዱሽተ እስያውያን ደቂኣንስትዮ ዝተጠርጠረ ሰብ ክሲ ተመስሪትሉ ኣብ ኣትላንታ ኣሜሪካ ኣብ ኣብያተ መሕጸቢን መዛነዪን (ስፓ) ሸሞንተ ሰባት ብጥይት ብምቕታል ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ክሲ ተመስሪትዎ። ፖሊስ ንግዳያት ከለልዩ ክጅምሩ እንከለው፡ እቶም ኣርባዕተ ስሞም ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ሽዱሽተ እስያውያን ደቂ ኣንስትዮ ግዳይ ዝገበረ መጥቃዕቲ ዓሌታዊ ጠንቂ እንተ'ለዎ፡ ገና ኣይተረጋገጸን። እቲ ጥርጡር ብክሲ ብርክት ዝበለ ቕትለትን ዝለዓለ ጥቕዓትን ማእሰርቲ ክጽበዮ ከም ዝኽእል ይግለጽ። ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ቸሮኪ፡ ፍራንክ ሬይኖልድስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ጥርጡር ናይ 'ወሲብ ወልፊ' ከም ዝነበሮ ምግላጹ ሓቢሩ። እቲ መጥቃዕቲ ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣንጻር ኤስያውያን-ኣመሪካውያን ካብ ጽልኢ ዝብገስ ገበናት ከም ዝወሰኸ ኣብ ዝግለጸሉ እዋን እዩ ተፈጺሙ። እተን መንነተን ዝተነጸረ ግዳያት፡ ኣሽሊ ያውን 33፡ ፓውል ኣንድረ ሚሸልስ 54 ሲያኦጂ ታን 49 ከምኡውን ዳዮ ፌንግ 44 ዝዕድሚኣ እየን። ኤሊካስ-አር ሄርናንደዝ ኦርቲስ ዝተባህለት'ውን በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝቖሰለት ተገሊጹ። እቲ ናይ ፈለማ ናይ ጥይት መጥቃዕቲ ከባቢ ሰዓት 5 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣክዎርዝ፡ ኣውራጃ ቼሮኪ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምድራዝ 'ያንግ ኤስያን' እዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ስፍራ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ሰለስተ ድማ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን፡ እቶም ክለተ ኣብኡ ህይወቶም ከም ዝሓለፈን ኣፈኛ ፖሊስ ካፒቴን ጄይ ቤከር ገሊጹ። ንሱ ጸኒሑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቶም ግዳያት፡ ክልተ እስያውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ሓንቲ ጻዕዳ ሰበይትን ሓደ ጻዕዳ ሰብኣይን ከም ዝኸኑን ሓደ ሂስጳንያዊ ሰብኣይ ከም ዝቖሰለ'ውን ገሊጹ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልአ ግዜ፡ ፖሊስ፡ 'ጎልድ ስፓ' ኣብ ዝበሃል ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣትላንታ ኣብ ዝርከብ ማእከል መሕጸብን መዛነዪን "ስርቂ" ይፍጸም ከም ዘሎ ዝገልጽ ሓበሬታ በጺሕዎ። ኣብቲ ናብ 911 ዝተገብረ ጻውዒት ቴለፎን ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ሓደ መጥቃዕቲ ዘብጽሕ ዘሎ ሰብ ትሕባእ ከም ዘላ ኣብቲ ብረቡዕ ዝተዘርግሐ ናይ ቴለፎን ቅዳሕ ትስማዕ። "እቲ ሰብ እንታይ ይመስል?" እቲ ኦፕሬተር ይሓትት። "ንሕባእ ኢና ዘሎና ሕጂ፤ ብረት ሒዞም ኣለው" ትብል እታ ደዋሊት። "በጃኹም ምጹና፡ ሕራይ?" ኢላ። ኣካላት ጸጥታ ናብቲ ማእከል ምስ በጽሑ፡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ እቲ ስፓ ብጥይት ተቐቲለን ከም ዝረኸቡ ፖሊስ ሓቢሩ። እቶም ኣካላት ጸጥታ ኣብኡ እንከለው፡ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ 'ኣሮማተራፒ ስፓ' ካብ ዝበሃል ማእከል መሕጸብን መዛነዪን ጻውዒት በጺሕዎም ምስ ከዱ፡ ካልእ ዝተቐትለት ሰበይቲ ረኺቦም። ኣብ ካልኣይ ናብ 911 ዝተገብረ ናይ ቴለፎን ጻውዒት ሓደ ብረት ዝሓዘ ሰብኣይ ናብቲ ስፓ ብምእታው ቶኽሲ ምጅማሩ መሓዝኣ ከም ዝደወለትላ ሓንቲ ሰበይቲ ትዛረብ። ነቲ ካብ ናይ ጸጥታ ካሜራ ዝተረኽበ ተንቃሳቓሲ ምስሊ ዝፈተሹ መርመርቲ፡ ናይ ሓደ ጥርጡር ስእሊ ድሕሪ ምዝርጋሕ፤ ፖሊስ ንጥርጡር ሮበርት ኣሮን ሎነግ ከባቢ 240 ኪሜ ካብ ኣትላንታ ንደቡብ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ውድስቶክ ጆርጅያ ኣብ ቀየዲ ኣእትዮምዎ። ሰብ መዚ ደቡብ ኮርያ፡ ንመንነት ናይተን ኮርያዊ መበቆል ከም ዘለወን ዝተገለጸ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምጽራይ ከም ዘለው ሓቢሮም። ብራዚል፡ ክሳድ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ረጊጹ ደው ዝበለ ፖሊስ ተግባሩ ቁጠዐ ፈጢሩ ሓደ ኣባል ፖሊስ ብራዚል ንኽሳድ ሓንቲ ጸላም ጓልኣንስተይቲ ረጊጹ ዘርእይ ምስሉ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ምስ ቀረበ ንሱን ካልእ ምስኡ ዝነበረ ፖሊስን ተኸሲሶም። እቲ ተግባር ኣብ ከተማ ሳኦ ፖሎ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ እታ ክሳዳ ዝተረገጸትን ደሓር ድማ ኣእዳዋ ተኣሲራ ኣብ መሬት ዝተደብረየት ውልቀሰብ ወናኒት ንኡሽቶ እንዳመስተ ምዃና ተፈሊጡ። እዚ ኣብ ወርሒ ግንቦት ከም ዝተፈጸመ ዝተገለጸ ተግባር ብሓደ ሓላፊ መገዲ እዩ ቪድዮ ተቐዲሑ። ንኸምዚኦም ዝበሉ ጥቕዓታት ምጽዋር ከም ዘይከኣል ዝሓበረ ኣመሓዳሪ ሳኦ ፖሎ ጆኦ ዶሪያ እቶም ኣባላት ፖሊስ ካብ ስርሖም ከም ዝተሰጎጉ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ፡ 2,000 ኣባላት ፖሊስ እታ ከተማ ድማ ኣብ ክዳኖም ካሜራታት ክግጠም ከም ዝግበር ወሲኹ ገሊጹ። ነቲ ፍጻመ ዘርእይ ቪድዮ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣቢሉ ኣብ ተሌቪዥን ፋንታስቲኮ ከም ዝተዘርግሐ ተፈሊጡ። እቲ ተግባር ኣብ ምሉእ ብራዚል ቁጠዐ ዝፈጠረ ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ኣሜሪካ ብሓደ ኣባል ፖሊስ ዝተፈጸመ ቅትለት ጸሊም ጆርጅ ፍሎይድ ዘተኣሳስርዎ ኣይተስኣኑን። ጸዕዳ ፖሊስ ንኽሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ረጊጹ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን እቲ ጸሊም ኣሜሪካዊ ከተንፍስ ከም ዘይከኣለ ደጋጊሙ እናለመኖ ተራእዩ ነይሩ። በቲ ተግባር ህይወቱ ብምሕላፉ ከኣ ኣብ ኣሜሪካን ምሉእ ዓለምን ሓያል ቁጠዐ ከም ዝፈጠረ ይዝከር። ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጎስጓስ 'ጸላም ዓርቢ' ክጅመር እዩ እቲ ብምኽንያት ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዘጋጥም ዘሎ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንምቅዋም፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጀመረ ብጸላም ዓርቢ ዝፍለጥ ጎስጓስ ነቶም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለው ዜጋታት ንምድጋፍ እዩ። እዚ ጎስጓስ ጸላም ዓርቢ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኩል ግዜ ዓርቢ ጸሊም ክዳን ክኽደኑ ዝጽውዕ እዩ። ክሳብ መዓዝ ዝብል ግዜ ገደብ ግን ኣይተቐመጠሉን። ጎናጎኒ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝፍጸም ጭካነ ፖሊስን ዓሌታውነትን ክኹንን ዝጽውዕ እዩ። ሓይልታት ጸጥታ፡ ድሕነትን ዜጋታት ክሕልውን ገበናት ከይፍጸሙ ክከላኸሉን'ዩ ዘለዎም ክብል'ውን ይጠቅስ። እቲ ሰልፊ ብትዊተር ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ጎስጓስ ጸላም ዓርቢ ብፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ እዩ ክኽፈት። እዚ ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ ሰልፊ ኤኤንሲ፡ እቶም ኣንጻር ዓሌታውነት ዝካየዱ ዘለው ተቓውሞታት ናብ ኣሜሪካ ጥራሕ ኢዶም ዘዋጠዋጡ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ህንዲ፣ ብራዚል፣ ቻይና፣ ብሪጣንያን ኤውሮጳን፣ ማእከላይ ምብራቕን ፍልስጠምን ዝፍጸም ትካላዊ ዝኾነ ዓሌታውነት ዝኹንን እዩ ይብል። ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስርዓት ኣፓርታይድ ንምዕናው ከቢድ ቃልሲ ከም ዘካየደትን፡ ኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ልዑል እጃም ከም ዝነበሮምን ብምግላጽ፡ ሕጂ ድማ ንሕና ንምንቅስቓስ 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ዘለና ድጋፍ እንርእየሉ እዩ ኢሉ። ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ብማሕበራዊ ሚዲያ፣ ቑጠባን ማሕበራዊ ኩነታትን ዝፍጸሙ ዓሌታዊ መጥቃዕታት ኣለው'ዮም ብምባል፡ ነዚ ዝቃለሱ ትካላዊ ኣሰራርሓታት ክስርግሑ ከም ዘለዎም ገሊጹ። ወዲ 46 ዓመት ጸሊም ጆርጅ ፍሎይድ፡ ሓደ ጻዕዳ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ረጊጽዎ እንከሎ "ክትንፍስ ኣይከኣልኩን" ክብል እዩ ኣብቲ ብማሕበራዊ ሚደያ ዝተፈነወ ምስሊ ክዛረብ ይስማዕ። ፍሎይድ ብፖሊስ ኣመሪካ ተሓኒቑ "ክትንፍስ ኣይከኣልኩን" ዝበለ ፈላማይ ጸሊም ኣይነበረን። ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት፡ ኤሪክ ጋርነር ዝበሃል ጸሊም፡ ፖሊስ ሓኒቑዎ "ክትንፍስ ኣይከኣልኩን" እናበለ እዩ ሞይቱ። ኮታስ፡ ናይ ቀረባ እዋናት ጥራይ እኳ እንተርኢናስ፡ ቁጠዐ ዝፈጠሩ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ብፖሊስ ዝተፈጸሙ ጭካነታት ብዙሓት እዮም። ኣብታ ሃገር፡ ጸለምቲ ዘለዎም ማሕበረ ቁጠባዊ ቦታ'ውን ኣዝዩ ትሑት ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ። መጽሄት ፎርብስ ከም ዘርእዮ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ልዕሊ 600 ቢልዮነራት፡ እቶም 5 ጥራይ እዮም ጸለምቲ ኣመሪካውያን። ስለ'ዚ ድማ እዩ፡ ሎሚ'ውን እንተኾነ፡ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኣብ ኣመሪካ ማዕርነቶም ኣይተረጋገጸን ዝብል ሞጎት ዘሎ። እቲ ድሕሪ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝረኣ ዘሎ ተቓውሞታት'ውን ካብ ውህሉል ቁጠዐ ዝተላዕለ እዩ። ኣብ ፈረንሳይ፡ ፖሊስ ምስ ሰልፈኛታት ኣንጻር-ዓሌታውነት ተጓኒጹ ኣብ ፈረንሳይ፡ ከተማ ፓሪስ፡ ኣንጻር ዓሌታውነትን ጭካነ ፖሊስን ተቓውሞ ዘስምዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ተጓኒጾም። እቶም ሰልፈኛታት፡ ክልኩል ናይ ሰልፊ ጉዕዞ ከካይዱ ኣብ ዝፍትንሉ እዮም ናብ ፖሊስ ኣእማን ክድርብዩ ጀሚሮም፡ ፖሊስ ድማ መንብዒ ትኪ ተኩሱሎም። እቲ ሰልፊ፡ ኣካል እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተጀመረን ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ዝረኣይ ዘሎን፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ዝወርድ ግፍዕታት ዝቃወም ምንቅስቓስ እዩ። ኣብ ፈረንሳይ "ፍትሒ ንኣዳማ" ብዝብል ጭርሖ እዩ እቲ ሰልፍታት ተኻይዱ። ኣዳማ ትራውሬ፡ ኣብ 2016 ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እናሃለወ ዝሞተ ጸሊም መንእሰይ እዩ። ቀዳም ድሕሪ ቀትሩ፡ ኣስታት 15,000 ዝኾኑ ኣንጻር ዓሌታውነት ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ማእከል ፓሪስ ተኣኪቦም። "ፍትሒ እንተዘየሎ፡ ሰላም የለን" ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ይጭርሑ ነይሮም። ገለ ካብቶም ሰባት፡ መግለጺ ሪፓብሊክ ፈረንሳይ ተገይራ ናብ እትውሰድ ሓወልቲ ማርያነ ተሰቒሎም። ሓፍቲ ናይቲ ብ 2016 ኣብ ቀይዲ ፖሊስ እናሃለወ ዝሞተ መንእሰይ ኣዳማ ትራውሬ፡ ሓንቲ ካብቶም ሰልፈኛታት ነይራ። "እቲ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጥም ዘሎ፡ ኣብ ፈረንሳይ'ውን የጋጥም ኣሎ እዩ። ኣሕዋትና ይሞቱ እዮም ዘለዉ" ኢላ። እቶም ሰልፈኛታት ክእከቡ ተፈቒድሎም እዩ፡ ጉዕዞ ክገብሩ ግን ፖሊስ ከልኪልዎም። ድሕሪ'ዚ እዩ ጎንጺ ኣጋጢሙ መንብዒ ትኪ'ውን ዝተተኮሰ። ኣብ ካልኦት ከተማታት ፈረንሳይ'ውን ንእስ ዝበሉ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም። ፖሊስ ፈረንሳይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 1,500 ጥርዓናት ዝቐረቦም ኮይኑ፡ ፍርቂ ካብዚ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝብል እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሞተር ብሽክለታ ብምስራቕ ዝተጠርጠረ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ፡ ፖሊስ ከምዘቑሰልዎ ይግለጽ። ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳይ፡ ፖሊስ ንጥርጡራት ብክሳዶም ሓኒቖም ክሕዝዎም ክልኩል ምዃኑ ኣፍሊጡ እዩ። እቲ ሚኒስተር፡ ዓሌታውነት ንዘንጸባርቑ ሰራሕተኛታት ጸጥታ "ኣይንዕገሶምን" ድማ ኢሉ። እዚ ዘረባታቱ ግን ካብ ፖሊስ ተቓውሞታት ኣስዒብሉ እዩ። እቶም ፖሊስ፡ ኣብ ስርሖም ዓሌታውነት ከምዘየንጸባርቑ እዮም ዝገልጹ። በዚ ዝተቖጥዑ ፖሊስ፡ ብዓርቢ መቑሖም ናብ ባይታ ብምድርባይ ተቓውሞታቶም ገሊጾም። ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 470 ሰራሕተኛታትን ተምሃሮን ስጉምቲ ወሲደን ሓድሽ ዘበን ትምህርቲ 2012 ኣቆፅፅራ ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ካብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣይበልፅን። ይኹን'ምበር ኣብዚ ቀረባ ግዘ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ዘጋጠመ ናይ ተምሃሮ ጎንፂ ስዒቡ፡ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ሞትን ጉድኣት ኣካልን ዘስዓቡ ጎንፅትታት ከአንግዳ እየን ፀኒሐን። ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እውን ተሞናግዩ እዩ። እዘን ዩኒቨርሲቲታት ኣብቶም ኣጋጢሞም ዝነበሩ ጎንፅታት ተሳትፎ ኣለዎም ንዝበልኦም ተምሃሮን ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን፡ ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመራ ድማ ይዝረብ ኣሎ። ነዚ ስጉምቲ ካብ መንጎ ዝወሰዳ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እታ ሃገር፡ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ሓደ እዩ። እዚ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ ዕላዊ ብመሰረት ዝገበሮ ሓበሬታ፡ በቲ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ፡ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እቲ ዩኒቨርሲቲ ክቆራረፅ ፀኒሑ እዩ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብመሰረት ዝገበሮ ዘተ ድማ፡ ሓደ ሓደ መምህራን፣ ተምሃሮ፣ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ሰብ ሞያ ጥዕናን ነቲ ዘጋጠመ ህውከት ብምቑስቛስ፣ ሞትን ጉድኣት ኣካልን ንከጋጥም፡ ብዝተፈላለዩ መገድታት ኣሉታዊ ግደ ብምብርካት፣ ዋላ እኳ ተደጋጋሚ ማዕዳ እንተተውሃቦም፡ ነዚ ማዕዳ ዕሽሸ ብምባል፡ ህውከት ንክላባዕ ብምሕሳብ ንሰራሕተኛታት ብምትብባዕ፡ መለዓዐልቲ መልእኽታት ብምብታን ክሳተፉ ምፅንሖም ምርግጋፁ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ 22 ታሕሳስ 2012 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ባይቶ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ፡ ክልተ ተምሃሮ ንሓደ ዓመት፣ 39 ተምሃሮ ንክልተ ዓመት ንኽእገዱ፡ ከምኡ ድማ 11 ተምሃሮ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ መኣዲ ትምህርቶም (ካብቲ ዩኒቨርሲቲ) ንክሰናበቱ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ። ካብዚ ብተወሳኺ ንሸውዓተ መምህራን ቀሊል ናይ ፅሑፍ መጠንቀቕታ፣ ንሰለስተ መምህራን ናይ መወዳእታ ናይ ፅሑፍ መጠንቀቕታ፣ ንሸሞንተ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ሰብሞያ ጥዕናን ድማ ካብ ስራሕ ንክባረሩ ወሲኑ። ብካልእ ወገን፡ ብዝተልዓለ ጎንፂ ህይወት ክልተ ተምሃሮ ዝጠፍኣሉ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ኸኣ፡ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሃዊኾም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም 335 ተምሃሮን ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ስጉምቲ ወሲዱ። ፕረዝደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ኣባተ ጌታሁን ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፆ፡ ብሽፋን ብሄርን ሃይማኖትን ዘጋጠመ ዘይምርግጋዕ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሰለስተ ግዘ ከምዝተቛረፀ ሓቢሩ። ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ትምህርቲ ንከይቕፅል ድሌት ኣብ ዘለዎም 332 ተምሃሮ፣ ክልተ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ሓደ መምህርን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣፍሊጡ። ካብ መንጎ እዚኦም 12 ተምሃሮን ክልተ ሰራሕተኛታት ምምሕዳርን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ውዒሎም ጉዳዮም ብሕጊ ይረኣይ ከምዘሎ እቲ ፕረዝደንት ገሊፁ። ሓደ መምህር እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ስርሑ ከምዝተኣገደን 320 ተምሃሮ ድማ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኢሉ። እዞም ስጉምቲ ዝተወሰዶም ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን ኸኣ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዕግርግር ንክፍጠር ከምዝሰርሑ ዝገልፅ ርቱዕ መረዳእታ ከምዝተረኸቦም ኣብሪሁ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ብዘጋጠሙ ተደጋገምቲ ጎንፅታት እውን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ህይወት ተምሃሮ ከምዝሓለፈ ይዝከር። ኣብቲ ዘጋጠመ ዕግርግር ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ኣካላት፡ ስጉምቲ ከምዝወሰደ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እዚ ድማ፡ ክልተ ተምሃሮ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ክባረሩ፣ ሸውዓተ ተምሃሮ፡ ንሕድሕዶም ንሰለስተ ዓመታት ካብ ትምህርቲ ክእገዱ፣ ሸሞንተ ተምሃሮ፡ ንሕድሕዶም ንኽልተ ዓመት ካብ ትምህርቲ ንክእገዱ ወሲኑ። ቅድሚ ሕዚ ተምሃራይ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረን ዝተባረን ሓደ ውልቀሰብ ድማ፡ ኣብቲ ዘጋጠመ ዕግርግር ኢድ ስለዝነበሮ፡ በቲ ዩኒቨርሲቲ ተኸሲሱ፡ ብሕጊ ንክሕተት ተወሲኑ ይብል እቲ ዩኒቨርሲቲ። • ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብፖሊስ ፌደራል ክሕለዋ'የን ጅማ ዩኒቨርሲቲ'ውን ከም ካልኦት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እታ ሃገር በዚ ዕግርግር ክሕቆን እዩ ፀኒሑ። ባይቶ እቲ ዩኒቨርሲቲ 27 ታሕሳስ 2012 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋዕ ተዛሚዱ ትምህርቲ ንከይቕፅል ድሌት ኣብ ልዕሊ ዝነበሮምን፡ ነቲ ኩነታት ተጠቒሞም ፀገም ኣብ ልዕሊ ዝፈጠሩን 51 ተምሃሮ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ሓቢሩ። ብመሰረት እዚ ድማ፡ 31 ተምሃሮ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ዝተውሃቦም እንትኸውን፡ 20 ተምሃሮ ኸኣ ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንክእለዩ ዝገብር ስጉምቲ ከምዝወሰደ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ ገሊፁ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ብዝገበሮ መሓውራዊ ለውጢ ድማ፡ ኣብ ምምሕዳርን ኣግልግሎት ተምሃሮን፡ ናይ ምኽትል ፕረዝደንት፣ ሰለስተ ዳይሬክተራትን ከምኡ እውን፡ ኣብ ካልኦት ዘፈራትን ሰለስተ ሓለፍትን፡ ለውጢ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ። ብሓፈሻ ኣርባዕቲአን ዩኒቨርሲቲታት፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዘጋጠሙ ጎንፅታት ተሳቲፎም እዮም ኣብ ዝበለኦም ልዕሊ 470 ተምሃሮን ምምሕዳር ሰራሕተኛን ስጉምቲ ወሲደን ኣለዋ። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣብ ማንዱራ፡ ክልል ቤኒሻንጉል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኣብ ቤኒሻንጉል ማንዱራ ኣብ ዝበሃል ወረዳ ብዝተልዓለ ጎንፂ፡ 14 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እቲ ቤት-ፅሕፈት፡ ንሓላፊ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀጥታን ኣይተ ኣበራ ጠቒሱ ከምዘፍለጦ፡ ነቲ ዝተፈጠረ ጎንፅን ቅትለትን ብምውዳድ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ምስቲ ዘጋጠመ ጎንፂ ተኣሳሲሩ፡ ብርክት ዝበሉ በላሕቲ ነገራትን ብረታትን ካብ ጥርጡራት ከም ዝተተሓዙ ድማ ተገሊፁ። ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ኣብ ዞባ መተከልን ወረዳ ማንዱራን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱን፡ 13 ሰባት ድማ ከምዝትጎድኡን ምምሕዳር ዞባ መተከል ኣይተ ግርማ ታደሰ ንንቢቢሲ ተዛሪቦም። ከም ሓበሬታ እቶም ሓላፊ፡ ኣብቲ ቀበሌ ሓደ መንበሪ ገዛ ክቃጸል እንከሎ፡ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ዝሰርሕ ዝነበረ ፖሊስ እውን ተጎዲኡ እዩ። ብበላሕቲ መሳርሕታትን ብረትን እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመ ዝዛረቡ ኣይተ ግርማ፡ ዝተጎድኡ ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ፓዊን ቻግኒን ሕክምናዊ ሓገዛት ይግበረሎም ከምዘሎ ገሊፆምልና። መንሽሮ ጐረሮ ስለምንታይ ብሰፊሑ ይርአ? መንሽሮ ጐረሮ፡ ሓደ ካብቶም ቀተልቲ ዓይነታት መንሽሮ'ዩ። ኣብ ዓለም በዚ መንሽሮ ዝጥቅዑ ሰባት ብዙሓት ኰይኖም ብፍሉይ እቲ ዝርግሐ ዝርኣየሎም ከባቢታት ከም ዘለው ግን ሰብ ሞያ ይዛረቡ። እዘን ሃገራት፡ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኤስያ ዝርከባ እየን። ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ዝርግሐ መንሽሮ ካብ መንጐ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ እያ። ዋላ'ኳ ልክዕ መንቀሊ እቲ ሕማም ብንጹር እዚ'ዩ እንተዘይተባህለ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣልኮል ዘዘውትሩን ብወልፊ ሽጋራ ዝተጸመዱን ሰባት ብመንሽሮ ጐረሮ ከም ዝጥቅዑ መጽናዕታት የመልክቱ። መንሽሮ እንታይ'ዩ? መንሽሮ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዘለው ዋህዮታት ብዘይግቡእ መልክዕ ክራብሑ እንከለው ዝፍጠር ሕማም እዩ። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰብነትና፡ እናዓበየ ዝኸይድ ሕበጥ ይፈጥር። ነቲ ሕማም ማእከል ገይሩ ዝተፈላለዩ መጽናዕታት ዘካየደ ዶክተር ጂልቻ ድሪባ ክኢላ መንሽሮ እዩ። "መንሽሮ፡ ካብቲ ዝፍጠረሉ ክፍሊ ኣካልና ተበጊሱ እናሰፍሐ ዝኸይድ ኰይኑ፡ መግቢ ሰብነትና እዩ ዝቃጸጽ። በዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ ሰብነትና እናሰፍሐ ከይዱ ክሳብ ሞት የብጽሕ፡" ይብል። ብዛዕባ መንሽሮ ጐረሮ ከብርህ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ብዝተፈለየ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ኣርሲን ባሌን ብሰፊሑ ከም ዝርአ ይዛረብ። እዚ ካብ ዓይነታት መንሽሮ ሓደ ዝዀነ ሕማም ሻምብቈ ጐረሮ ኮይኑ፡ "መንሽሮ ጐረሮ" ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብዚ ጉዳይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓሙሽተ ዓመታት መጽናዕቲ ክገብር ከም ዝጸንሐ ዝገልጽ ዶክተር ጂልቻ፡ ዞባታት ምብራቕ ሸዋ፡ ምዕራብ ኣርሲ፡ ቡታጅራን ስልጤን እዚ ሕማም ዝርኣየሎም ከባቢታት ከም ዝዀኑ የረድእ። "ብደረጃ ሃገር ብስንኪ'ዚ፡ ሕማም ብብዝሒ ናብ ሆስፒታል ዝመጽኡ ሰባት ኣብ ከባቢ ኣርሲን ባሌን ዝነብሩ'ዮም፡" ኢሉ። እዚ መንሽሮ ስለ ምንታይ ኣብዞም ከባቢታት ብሰፊሑ ይርአ? መጽናዕቲ ዶክተር ጂልቻ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ እቲ ጸገም፡ ሕብረተሰብ 'ቲ ከባቢ ዘዘውትሮ ዓይነት መግቢ ዝተሓሓዝ እዩ። "ናይዚ ሕማም ምኽንያት'ዮም ዝበሃሉ ክልተ ነገራት ኣለው፣ ኣልኮልን ውዑይ [ዘቃጽል] መግቢ ምምጋብን'ዮም። ኣብ ኣርሲን ባሌን ኣልኮል ዘይዝውተር መስተ'ኳ እንተዀነ፡ ዝበልዑዎ መግቢ ግን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ ማለት'ዩ፡" ይብል። ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዝነብር ሕብረተሰብ እንጀራ ዳርጋ መዓልታዊ መግቡ ክኸውን እንከሎ፡ ሕብረተሰብ ኣርሲን ባሌን ድማ ብብዝሒ ባህላዊ መግቢ ዝዀነ ገዓት ይምገብ። እዚ መንቀሊ እቲ ሕማም ከም ዝዀነ ዘመላኽቱ መጽናዕታት ከም ዘለው ዶክተር ጂልቻ ይዛረብ። "ነበርቲ'ዚ ከባቢ ብብዝሒ ገዓት'ዮም ዝበልዑ፤ ገዓት ድማ ብባህሪኡ ብውዑዩ'ዩ ዝብላዕ። እዚ ድማ ግዜ እናነውሐ ነዚ ሕማም ከቃልዕ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሰባት እዚ መግቢ ክበልዑ እንከለው ኣዝሒሎም ክወስድዎ ይምከር፡" ኢሉ። ወሲኹ "ንቝርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ገዓት ምብላዕ ንመንሽሮ ሻምብቆ ጐረሮ'ዩ ዘቃልዕ። ስለዚ ብዝተኻኣለ መጠን ገዓት ምብላዕ ብምንካይ፡ ካልኦት ዓይነታት መግቢ ክልመድ ኣለዎ፡" ይብል። መንሽሮ ጐረሮ ክሳብ ክንደይ የስግእ? ዶክተር ጂልቻ ከም ዝብሎ፡ እዚ መንሽሮ ብመንጽር እቶም ካልኦት ዓይነታት መንሽሮ ንምሕካም ዘጸግምን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእልን እዩ። "ኣብዚ እዋን ብዙሓት ዓይነታት መንሽሮ ምፍዋስ ይክኣል እዩ። መንሽሮ ቱቦ ጐረሮ ግን ኣጸጋሚ እዩ፤ በዚ መንሽሮ ሓሚሙ ተሓኪሙ ዝሓወየ ሰብ ምርኣይ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ፡" ይብል። "መጥባሕቲ ንምግባር'ውን እቲ ናይ ጐረሮና ከባቢ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ፤ ኣብ ከባቢ እቲ ቱቦ ዘለው ካልኦት ክፍሊታት ሰብነትና ኣገደስቲ'ዮም። ልብና ኣብኡ ከባቢ'ዩ ዝርከብ፤ ሳንቡእና'ውን ከምኡ። ብተወሳኺ እቲ ዓቢይ ሻምብቈ ደም ዝዀነ ኣኦርታ ዝበሃል ኣብዚ ከባቢ'ዩ ዝርከብ። ስለዚ፡ እዚ መንሽሮ እናሰፍሐ እንተኸይዱ ናብዞም ክፍሊ ኣካላት'ዩ ዝኸይድ፡" ኢሉ። ስለ ዝዀነ፡ መንሽሮ ጐረሮ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ክቐትል ዝኽእል ሕማም ከም ዝዀነ የረድእ። ምልክታት መንሽሮ ጐረሮ በዚ መንሽሮ ዝተጠቕዐ ሓደ ሰብ፡ መጀመርታ ዝርእዮ ምልክት ኣብ ኣፍልቡ ምቅጻል'ዩ። እንተዀነ ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ምልክት ቀለልቲ ሕማማት ገይሮም ስለ ዝርእይዎ ናብ ሕክምና ከይዶም መርመራ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ መድሃኒት ጨጐራ ከም ዝወስዱ መጽናዕቲታት የመልክቱ። "ካብኡ ሓሊፉ፡ ኣብ መስርሕ ምውሓጥ መግቢ'ውን ከጸግም ይኽእል'ዩ። መጀመርታ ዕጽቕ ዝበሉ መግቢታት፡ ድሕሪኡ ፈሳሲ፡ ጸኒሑ ድማ ምራቑ ምውሓጥ የጸግሞ። ክብደቱ'ውን ይንኪ፡" ኢሉ ዶክተር ጂልቻ ንሓደ ወለዶ ዝቐጸለ ቃልሲ መንሽሮ ጡብ፡ ብኸመይ ፍረ ተረኺብዎ? ወይዘሮ የኣይኔኣበባ ብርሃን መንሽሮ ጡብ ሓሚማ ብሕክምና ሓውያ እያ። እንተዀነ ቅድሚ 20 ዓመት ዝጀመረቶ ቃልሲ ኣንጻር መንሽሮ ድሕሪ ሓደ ወለዶ ሕጂ’ውን ኣይተቛረጸን። እዛ 70 ዓመት ዝመልአት ምስ ኵሉ ሕውስቲ ዝዀነት ኣደ፡ ዝዀነ ሰብ 'ኣትን' ስለዘይብላ፡ "ኣንቲ/ንሳ" እናበልና ዛንታኣ ከነካፍለኩም። የኣይኔኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየትሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ። ስድራቤታ 10 ኣሕዋት፡ 5 ደቂ ኣቦን ደቂ እኖን ከምኡ’ውን ንትምህርቲ ካብ ክፍለሃገር ዝመጹን ኣዝማድ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ “ጽቡቕ ርክብ ነይሩኒ። ሰላምን ፍቕርን ዝመልኦ ህይወት ነይሩ" ትብል። ክሳብ ካልኣይ ደረጃ - ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ እተጠናቕቕ ዝተማሃረትሉ እንኮ ቤት ትምህርቲ፡ ኮኾብ ጽባሕ ቀዳማዊ ኃይለስላሴ (ቀኃስ) ጥራይ እዩ። ክረምቲ ይዅን ሓጋይ ኮፍ ክትብል ዘይትፈቱ የኣይኔኣበባ ኣብ ክለባት ቤት ትምህርቲ፡ ከም ኣብ ቀይሕ መስቀል ዝኣመሰሉ ትካላት ክትሳተፍ ወይ ሓጸርቲ ኮርሳት ክትመሃር ትመርጽ ነይራ። ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ወዲኣ ኣብ ‘ቤት ጽሕፈት ኣትዊ ውሽጢ ሃገር' ተሓዚት ሕሳብ - ኣካውንታንት ኰይና ስራሕ ጀሚራ። ጥሮታ ክሳብ ትወጽእ ኣብዚ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ትሰርሕ ዝነበረት የኣይኔኣበባ፡ ጐድኒ ጐድኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ምሸታዊ ኣካውንቲን ተማሂራ እያ። ኣብ ህይወታ ልክዕ ከምቲ ሓደ ቤት ትምህርትን ሓደ ቤት ጽሕፈትን ጥራይ ትፈልጦ፡ ኣብ ፍቕራዊ ዓለም'ውን ሓደ ሰብ ጥራይ እያ ትፈልጥ፤ ተስፋይ ኣበራ ይበሃል። ገዛውቶም ጥቓ-ጥቓ እዩ፤ ኣዕሩኽቱ መሓዙታ እዮም። ቤት ትምህርቲ ብሓደ እዮም ተመላሊሶም። ስድራኦም’ውን ይፋለጡ ስለዝነበሩ የኣይኔኣበባን ተስፋይን ተቐራሪቦም፡ ተላሚዶም፡ ኢሎም’ውን ተፋቒሮም። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት ዕርክነት ድማ ብተኽሊል መርዓ ገይሮም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ተሰጋጊሮም። "ሓዳር ከምዝሓዝካዮ እዩ" ትብል የኣይኔአበባ። ዘይምርድዳእን ዘይምስምማዕን ከጋጥም ይኽእል። ግን፡ “ኣብ መንጐና ሰብ ኣይነእቱን። ተዘራሪብና ኢና ንገድፎ። ሓደ ካባና ይሰዓር" ክትብል፡ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ተፈላልዮም ሓዲሮም ከምዘይፈልጡ ትዛረብ። ከም ዓቢ ጸገም ተልዕሎ፡ ንውላድ ዝነበሮም ባህጊ እናፈሸለ ላዕልን ታሕትን ኢሎም እዮም። ብተደጋጋሚ ሕክምና ከይዶም። ገለ ሓኻይም "ሕጂ ክትወልዲ ኢኺ፡ ጽቡቕ ኣለኺ" ይብሉዋ። ገሊኦም “እዚ ግበሪ፡ እዚ መድሃኒት ውሰዲ” ኢሎም ይመኽርዋ። ግን ውጽኢት ኣይተረኽበን። ስለምንታይ ከም ዝፈሸለ ሓቲታ ቅኑዕ መልሲ ኣይረኸበትን። “ንሳቶም ባዕሎም ኣይፈልጥዎን፣ ኣመና ምስ ሰልቸወኒ ድማ ገዲፈዮ" ትብል። የኣይኔኣበባ ግን ኣይተጨነቐትን። “ባህርያተይ ከምኡ እዩ። ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ኣይጭነቕን። ዝዀነ ሕማም እንተጋጢሙ በቃ ክቕበሎ ኣለኒ ኢለ እየ ዝኣምን። እንተመጺኡ እንታይ ክትገብር ትኽእል?” ኢላ ምስ ጭንቀት ብዙሕ ከምዘይፋለጡ ትገልጽ። እንተዀነ ኵልሳዕ ካብ ምጽላይ ዓዲ ኣይወዓለትን። "ዘዕብዮም ደቂ ሃበኒ፡ ዘየዕብዮም እንተዀይነ ግን ዋላ ኣይትሃበኒ" ኢላ ብድፍረት ትጽሊ ከም ዝነበረት ትዝክር። ወሊዳ እንተሓቚፋ፡ ተማሂሮም ሰብ ክዀኑ ክትርኢ እያ ትብህግ። ሓዳሮም ንኣስታት ሸሞንተ ዓመት ብውላድ ኣይተባረኸን። ብድሕሪኡ የኣይኔኣበባ መሊሳ ጠኒሳ። ሽዑ ግን ከምቲ ዝቐደመ ኣይፈሸለን። ወዲ ሓቚፎም፡ ስዒሞም። ድሕሪ ክልተ ዓመት ብጓል ረኺቦም። የኣይኔኣበባ ግን ጸሎታ ንኽትወልድ ጥራይ ዘይኮነስ ባዕላ ንኽተዕብዮም’ውን እዩ። ስለዚ እዩ “ዘየዕብዮም እንተዀይነ ዋላ ውላድ ኣይትሃበኒ" ትብል ዝነበረት። ብዛዕባ መንሽሮ ጡብ ግንዛበ ኣይነበራን። ሓሚመን ወይ “ኣጥቧተን ተቘሪጹ" ዝብል ወረ ካብ ምስማዕ ዝሓልፍ ጠንቁ እንታይ እዩ ክፍወስከ ይኽእል'ዶ ዝብል ሓበሬታ ኣይነበራን። ሓደ መዓልቲ ነብሳ ክትሕጸብ እንከላ ጡባ ሃሰስ በለቶ። ገለ ሕበጥ ተሰሚዕዋ። ኣብ ዓቐን ወይ ቅርጺ ጡብ ዝርአ ለውጢ፡ ዋላ ክንዲ ዓተር ትኸውን ንእሽቶ ሕብጥ፡ ምልክታት መንሽሮ ጡብ ክኸውን ከምዝኽእል ሓኻይም ይሕብሩ። "ንሰብ ኣይርአን እዩ፡ ክትንክፎ ከለኹ ግን ይፍለጠኒ።" ምስ በዓል ቤታ ኣቶ ተስፋይ ብሓባር ናብ ሕክምና ከይዶም፡ ሕክምናዊ መርመራ ገይራ፤ ኣብ ጡባ ዝዀነ ነገር ከም ዘየለ ተነጊርዎም። ሽዑ ዝነበረ ቴልክኖሎጂ ሕክምና ከምዚ ሕጂ ዘመናዊ ኣይነበረን ትብል የኣይኔኣበባ፡ ምስ በዓል ቤታ ዝተፈላለየ ሕክምና እንተፈተኑ’ኳ ነቲ ጸገም ዘለሊ ሓኪም ኣይተረኽበን። መንሽሮ ዝሓመሙ ሰባት ብዛዕባ ሕማሞም ክዛረቡ ድልየት ስለ ዘይብሎም ሓበሬታ ክትረክብ ተጸጊማ። ገለ ዝረኸበቶም ጽሑፋት ምስ ኣንበበት ግን “ነብሰይ ተጠራጢረ" ብምባል ሽዑ’ውን ብተደጋጋሚ ሕክምና ከምዝኸደት ትገልጽ። ኣብ መወዳእታ ሓደ ዶክተር፡ ካብቲ ጡብ ብመርፍእ ቅምሶ ዋህዮታት ወሲዱ ምርመራ ባዮፕሲ ምስ ገበረ፡ "ብቕልጡፍ ዝላባዕ" መንሽሮ ጡብ ከም ዝዀነ ተረጋጊጹ። ውጽኢት መርመራ ምስ ሰምዐት የኣይኔኣበባ፡ "ብዙሕ ኣይተሰምዓንን" ትብል። እቲ ቅድሚ ሽዑ ዘጋጠማ ጸገም ውላድ ዝሓለፈቶ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ጸገም ክትጭነቕ ስለዘይትደሊ ከምዝኾነ ትዘረብ፣ “ንሱ ጠቒሙኒ እዩ” ክትብል ብዙሕ ዘይሰንበደትሉ ምኽንያት ትገልጽ። ብኣንጻሩ፡ “በዓል ቤተይ ሰንቢዱን ተረቢጹን” ብምባል በዓል ቤታ ኣቶ ተስፋይ ሽዑ ዝተሰምዖ ትዛረብ። “ስለዚ ኣነ ባዕለይ ከጸናንዖ ጀሚረ። ‘በቃ ኣይትጨነቕ። [ኣምላኽ] ዝበሎ እዩ ዝኸውን" ኢለዮ።” ኣብቲ እዋን እቲ፡ ሓኻይም ብሕማም ልቢ ይሞቱ ከምዘለዉ ብሰፊሑ ይውረ ከምዝነበረ ትዝክር፣ “ንኽንደይ ሰብ ደው ዝብሉ ሓያለ ሰባት ከይተረፉ ይሞቱ ኣለዉ። ኣነ’ዶ መን እየ? ዋላ እንተሞትኩ ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን" ኢላ ከተጸናንዖ ፈቲና። እቲ ዝመርመራ ሓኪም፡ ብቕልጡፍ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዳ ክትሕከምን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት መድሃኒት ክትጅምርን ከምዘለዋ ኣጠንቂቕዋ እዩ። እዚ ንኽሰምር በዓል ቤታ ልዑል ግደ ኣበርኪቱ እዩ። ላዕሊን ታሕቲን ተጓይዩ ምስ እቶም ኣብ ዓዲን ኣብ ወጻእን ዘለዉ ኣዕሩኽቱ ተዘራሪቡ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዳ ንኽትሕከም ኣብ ሓጺር እዋን ኣመቻችዩላ። የኣይኔኣበባ ሕማማ ካብ ሰብ ክትሓብእ ድሌት ኣይነበራን። ስለዝዀነ ድማ ኵሎም ኣሕዋታ፡ ስድራቤታን ፈተውታን፡ እቲ ጕዕዞ ሕክምና ዕዉት ንኽኸውን ዝከኣሎም ኣወፍዮም። ብተወሳኺ ከምተን ሕክምና መንሽሮ ክገብራ ዘለወን ንብረት ዝሸጣ ገለ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስድራ የኣይኔኣበባ'ውን ሓንቲ መኪናን መሬትን ሸይጦም እዮም። ብርግጽ ባህላዊ ሕክምና ክትገብር ዝፈተኑ ነይሮም እዮም። “ስድራቤታ ኣዝዮም ስለዝተረበሹ ኣይከይድን እየ ክብል ከቢዱኒ" ትብል የኣይኔኣበባ። "ኣነ [ብባህላዊ ክሕከም] ኣይሐሰብኩን፡ ንሳቶም ቅር ከይብሎም፡ ክሕጐሱ ክብል እምበር..። መንሽሮ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ ክሳብ ዝኸይድ ሓንቲ ሰሙን እያ ነይራትኒ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ ግን ኣዝማደይ ናብ ክልተ ቦታታት ወሰዶምኒ እዮም።” "ምስ ከድኩ ግን፡ 'ቀሊል'ዩ፡ ከምዚ ክግበር እዩ፡ ክነትዕ እዩ እዮም ዝብሉኻ። ክሳብ ዝነትዕ ኣነ እንታይ ኣጸበየኒ?" ብምባል ምድላዋ ወጊና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝተጓዕዘት ትገልጽ። በዓል ቤታ ኣቶ ተስፋይ ሓላፍነት ክልተ ደቈም ወሲዱ ኣብ ገዛ ተሪፉ። እቶም ቈልዑ፡ ገና ዓሰርተ ዓመት’ውን ስለዘይመልኡ፡ ኣብ ፈለማ ብዛዕባ ሕማም ኣደኦም ኣይተነግሮምን። እቲ ወዲ ትሽዓተ ዓመት በዅሪ ወዳ ግን ጥርጣረታት ነይርዎ። ኣብ መንጐ ሕክምና፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተመለሰትሉ እዋን በዓል ቤታ ከምዝነገራ፡ እቲ ወዲ፡ ቅድሚ ምድቃሱ፡ ናብ እዝኒ ኣቦኡ ተጸጊዑ፡ "ማሚ ግን እንታይ እዩ ኣጋጢምዋ?" ኢሉ ደጋጊሙ ይሓትት ነይሩ። እዚ ጭንቀት ንትምህርቱ’ውን ስለዝጸለዎ፡ እቲ ዳይረክተር ንኣቦኡ ጸዊዑ "እዚ ቈልዓ እንታይ ኣጋጢምዎ? ተረቢሹ ኣሎ" ክሳብ ምባል በጺሑ እዩ። ሽዑ የኣይኔኣበባ፡ ነቲ ዳይረክተር ረኺባ ንኽተረድኦን ደቃ’ውን ብዛዕባ እቲ ሕማም ንኽፈልጡን ክትገብር ዕድል ረኺባ። "ክብደት ናይቲ ሕማም" እንተዘይተረድኦም እውን፡ ደቃ ኣረጋጊኣ ክትምለስ ከምዝኸኣለት ግን ትገልጽ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣዝማድን ኣዕሩኽ በዓል ቤታ ኣብ መዕረፊ ኣጋይሽ ክትጸንሕ ኣይፈቐዱን። “ናብ ገዛኦም ወሰዶምኒ። ከም ገዛይ ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ክትብል ብኸመይ ከምዘአንገድዋ ትዝክር። ንጽባሒቱ ሰለስተ መዓልቲ ዝወድአ መርመራ ጀሚራ። "ቀዳማይ ሓጐሶም ዝደልይዎ መድሃኒት ክህቡኒ ምኽኣሎም ነይሩ" ትብል። ቅድሚ ሕክምና መንሽሮ፡ ኣብ ከም ሳንቡእ፡ ልቢ፡ ጸላም ከብዲ፡ ኵሊት ዝኣመሰሉ ኣካላት ዝግበር ምርመራ እቲ ሰብ ንሕክምና መንሽሮ ብቝዕ ምዃኑን እቲ ሕክምና ክሳብ ክንደይ ከምዝሰርሕን ንምፍላጥ ከም ዝሕግዝ ክኢላታት ይገልጹ። ብድሕሪኡ፡ በብ21 መዓልቲ ሽዱሽተ ግዜ ኬሞቴራፒ ንኽትወስድ ተነጊርዋ። እዚ ቅድሚ መጥባሕቲን ጨረርን ዝወሃብ ሕክምና፡ ነቶም ዋህዮታት ብምቕታል ዕብየት ዋህዮታት መንሽሮ ደው ንኽብልን እቲ ኣብ ጡብ ዘሎ ሕበጥ ንኽንክይን ክዝሕግዝ ከምዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። እታ ቀዳመይቲ ኬሞቴራፒ ወሲዳ ድሕሪ 21 መዓልቲ ምስተመልሰት፡ እቲ ኣብ ጡባ ዘሎ ሕበጥ ከም ዝነከየን ለውጢ ከም ዘሎን ፈሊጣ። የኣይኔኣበባ ድሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከላ እቲ ፍወሳ ኬሞቴራፒ፡ ከም ምጕዳል ጸጉሪ፡ ምቕያር ቆርበት ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ጐድናዊ ሳዕቤናት ከስዕብ ከምዝኽእል ሰሚዓ ነይራ። “ስለዚ [ጸጕረይ] ኣሕጺረ እየ ከይደ" ትብል። ድሕሪ እታ ፈላመይቲ ኬሞ ግን ጸጕራ ምሉእ ብምሉእ ረጊፉ ተመሊጣ፡ ጫፍ ኣጻብዕታ ድማ ጸሊሙ። “በቃ መላጣ ኰይነ፡ ሻሽ ይኣስር፡ ድግስ ገለ ምስ ዝህሉ ድማ ዊግ እገብር ነይረ።” ኬሞቴራፒ ምስ ወድአት ቀጻሊ ሕክምና ጡብ ንምእላይ ዝግበር መጥባሕቲን ራድዮቴራፒን እዩ። ይዅን እምበር ውጽኢት እቲ ኬሞቴራፒ ዘተባብዕ ስለዝነበረ እቲ ሓኪም ስቕ ኢላ ሬድዮቴራፒ ክትጅምር ትደሊ እንተዀይና ሓቲትዋ። ንሳ’ውን እቲ መንሽሮ “ሚእቲ ሚእታዊት ጠፊኡ ድዩ?” ኢላ መሊሳ ምስ ሓተተቶ ሓደ ወይ ክልተ ሚእታዊት ክህሉ ስለዝኽእል ምስ ስድራ ንኽትመክር ተላብዩዋ። “እንታይ ምእንቲ እየ ዝመክር? ኣነ ዘለኹ ዓዲማተይ። ካብ ሕጂ ንደሓር ኣይወልድን፡ ጡብ’ውን ኣየጥብውን። ስለዚ ይቆረጽ ኢለዮ" ትብል። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ጡባ ብመጥባሕቲ ተኣልዩ። "ምስ ነቐጸ፡ 25 ጩራታት ራድዮቴራፒ ተገይሩለይ" ትብል። ኣብ መስርሕ፡ የኣይኔአበባ ብዛዕባ ነብሳ ዘይኮነት ብዛዕባ ደቃ ትጭነቕ ነይራ። "ናተይ ወለዶ ገሊኡ ብፖለቲካ፡ ገሊኡ ብመኢሶን፡ ገሊኡ ብኢህኣፓ ዝረገፈ ወለዶ እዩ። ዝባኸነ ወለዶ'ዩ" ትብል። ንዕኡ ሓሊፋ ብዙሕ ነገር ምርኣያ ንዓኣ ቀሊል ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡ'ውን ዘጨንቓ ነገር ከምዘየለ ትዛረብ። ገለ ሰባት ወጺኦም ከምዝተርፉ፡ ካልኦት ዝኸፈትዎ ከይከደኑን ከይተናዘዙን ከምዝሞቱ ስለትፈልጥ፡ ሓሚማ እንተሞይታ “በረኸት” እዩ ኢላ እያ ትኣምን። "ግን ክሳብ ዘለኹ ክነብር፡ ክሳብ ዘለኹ ሰናይ ክገብር፡ ክሳብ ዘለኹ ንኣምላኸይ ከምልኽ፡ ክሳብ ብህይወት ዘለኹ ድማ ክግበር ዝግባኦ ነገር ክገብር እምበር ሞት ኣየጭነቕን'ዩ። [ሞት] ኣይርብሸንን።” "ብርግጽ ብዛዕባ ደቀይ ስክፍታ ነይሩኒ" ትብል። "ኣነ ስለዘየዕበኽዎም ይጭነቕ እምበር ኣቦኦም ኣሎ፡ ስድራቤት ኣለዉ። ስለዚ ከምዘይጽገሙ እፈልጥ እየ።" "ገዲፈዮም ዝኸይድ እንተዀይነ፡ ዋላ ውላድ ኣይትሃበኒ” ኢላ ትጽሊ ዝነበረት’ውን ደቃ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሖም ክትርኢ ትምኒታ ስለዝዀነ እዩ። ፈጣሪ ድማ ንደቃ ክብል ከም ዘድሕና ርግጸኛ ነይራ። የኣይኔኣበባ ብዝገበረቶም ኣገባባት ሕክምና ዝሓለፉ ሕሙማት ዝእዘዘሎም መድሃኒት ክህሉ ይኽእል። ብፍላይ ታሞክሲፊን ዝበሃል መድሃኒት ን5 ዓመትን ልዕሊኡን ክውሰድ ከምዝኽእል እትዛረብ የኣይኔኣበባ፡ "ካብቲ ሕክምና ንላዕሊ ነቲ ከኒን እናወሰድኩ" ምንባር ገና ክትሓስቦ ከላ ከምዝኸበዳ ኣይትሓብእን። ቅድሚ እቲ መድሃኒት ምእዛዙ መርመራ ሆርሞን ምስ ገበረት ግን፡ "ኣይድልየክን'ዩ" ተባሂላ ከምዝተሓጐሰት ትሕብር። እቲ ሓኪም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ብድሕሪኡ ድማ ዓመታዊ መርመራ ከምዘሎን ሕጂ ግን ብዛዕባኡ ክትጭነቕ ከምዘይብላ ምስ ነገራ፡ “ዓድኺ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ” ኢሉዋ። "ኣነ በቃ ኣብታ መዓልቲ እየ ሓውየ" ትብል። ድሕሪ 7 ኣዋርሕ ዝወሰደ ሕክምና የኣይኔአበባ፡ ናብ ዓዳ ተመሊሳ። የኣይኔኣበባ ኣብ ዘድለያ እዋን ብዛዕባ መንሽሮ ሓበሬታ ክትረክብ ዘይምኽኣላን መንሽሮ ዝሓመሙ ሰባት ብዛዕባ ሕማሞም ክዛረቡ ዘይምድላዮምን የተሓስሳባ ነይሩ። ሰባት ክተሓጋገዙ ከምዘለዎም ስለ ትኣምን ኣብ እዋን ሕክምና ምስ ዝተላለየቶም ካልኦት ኣርባዕተ ሕሙማት ብሓባር ናይ ደገፍ ጕጅለ ካንሰር ኣቚሞም። ሓኻይም፡ ስድራቤቶምን ናይ ቀረባ ፈተውቶምን እናእመኑ ቁጽሪ ኣባላቶም እናወሰኹ ማሕበር መንሽሮ ኢትዮጵያ ብዝብል ስም ሕጋዊ ማሕበረር ኣብ ምቛም በጺሖም። ፈለማ ንቕሓት ትምህርቲ ብምሃብ ዝጀመረ እቲ ማሕበር፡ ኣገልግሎቱ ብምስፋሕ ብሓደ ግዜ ንመንሽሮ ሕክምና ናብ አዲስ ኣበባ ዝመጻ 16 ደቂ ኣንስትዮ ተቐቢሉ ክንክን ዝህብ ማእከል ክንክን መንሽሮ ከፊቱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ማእከል ነተን ጽጕማት፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ ነርሳት፡ ሰራሕተኛታት ጽሬትን መመገቢን ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ትምህርቲ ንቕሓትን እውን ክረኽባ ይገብር። እንተዀነ እቲ ማሕበር፡ ዘለዎ ዓቕሚን ብዝሒ ሕሙማትን ክመጣጠን ስለዘይከኣለ፡ ካብ መንግስቲ ቦታ ክረክብን ተበጻሕነት እቲ ኣገልግሎት ከስፍሕን ምድላዋት እናገበረ ይርከብ። ኣብዚ ሕጂ እዋን የኣይኔኣባባ ሓንቲ ካብቶም ብዘይ ደሞዝ ይዅን ጥቕሚ ነቲ ማሕበር ዘገልግሉ ኣባላት ቦርድ እያ። ነቲ ቅድሚ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ዝጀመረቶ ቃልሲ ኣንጻር መንሽሮ፡ ብህይወት ክሳብ ዘላ ከምትቅጽሎን ብዛዕባ መንሽሮ ዝንገሩ ግጉይ ጽዋታት እውን ከምትቃለስን ድማ ጽኑዕ እምነት ኣለዋ። ስድራቤት የኣይኔአበባ ሓደ ካብቶም ብለበዳ ኮቪድ-19 ዝተሃስዩ ስድራ እዩ። የኣይኔአበባ ባዕላ፡ በዓል ቤታን ጓላን ሓሚሞም ነይሮም። ጓሎም ኣብ ሰሙና ሓውያ ክትትስእ እንከላ፡ ኣቦን ኣደን ግን፡ እቲ ሕማም ኣዝዩ ከቢድዎም። የኣይኔአበባ፡ እቲ ብፍላይ ሕማም ሽኮርያ ዝነበሮ በዓል ቤታ፡ "ዝያዳ ከምዝተጸገመ" ትገልጽ። ሓኻይምን ነርስታትን ንሰብኣያ ከድሕኑ ዝከኣሎም ጻዕሪ'ኳ እንተገበሩ፡ ክዕወቱ ግን ኣይከኣሉን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ “ኣነ ጽቡቕ ኣይነበርኩን። ነብሰይ'ውን ኣጸቢቐ ኣይፈልጥን ነይረ" ትብል የኣይኔኣበባ፡ በዓል ቤታ ዝሞተላ መዓልቲ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣዝዩ ከምዘጕህያ ትሕብር። “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ክሓስብ እንከለኹ ሕጂ እውን እሓዝን እየ። ክሳብ ሕጂ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ምንባሩ ይስምዓኒ እዩ። ካልእ ይትረፍ ብግቡእ ክሓዝን ኣይከኣልኩን።” ንሳ ኣብ ዝሓመመትሉ እዋን ኣብ ጐድና ዝነበረ በዓል ቤታ ክመውት እንከሎ ሓዘና ብግቡእ ክትገልጽ ብዘይምኽኣላ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ሕጂ’ውን ጓሂ ይስምዓ። ካብ ሕማም መንሽሮ ጡብ ሓውያ ደቃ ክተዕቢ ብምኽኣላ ግን ሓበን ይስምዓ። ወዳ ብሲቪል ኢንጅነሪን፡ ጓላ ድማ ብፕሮጀክት ማነጅመንት ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቘም እዮም። እታ ጓል ድማ ሓዳር ክትምስርት መገዲ ጀሚራ’ላ። ሎሚ መንሽሮ ከምዝሓመመ ዝተነገሮ ሰብ እንተትረኽቢ እንታይ ምበልክዮ ንዝብል ሕቶ፡ ሓጺር መልሲ እያ ትህብ። “መጀመርታ ከምዝሓመምካ ተቐበል። ካልኣይ፡ እቲ ሕማም ደረጃኡ ትሑት እንተዀይኑ ምሕዋይ ከምዝከኣል፤ ልዑል እንተዀይኑ ድማ ዕድመ ከናውሕ ስለዝኽእል ነቲ ሕክምና ሕጂ ጀምር።” ኣውስትራልያ፡ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ኣብ ምንካይ ቀዳማይቲ ክትኸውን እያ' ኣውስትራልያ ብዕውት ምንካይ መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ብደረጃ ዓለም ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ከምእትኽእል ተገሊፁ። ተመራመርቲ ከምዝበልዎ ክታበትን መስርሕ ምርመራን ብግቡእ እንተቐፂሎም እቲ ሕማም ክንክይ እዩ። ክሳብ 2022 ኣብ ዝህሉ ግዜ ድማ "ሓሓሊፉ ዝረኣይ ካንሰር" ብዝብል ክግለፅ ከምዝኽእል ግምቶም የቐምጡ። እዚ ዝኸውን ካብ 100,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ 6 ሰባት ጥራሕ ክርከብ እንተኺኢሉ እዩ። ኣውስትራያ ኣብ 2007 ክታበት ቫይረስ 'ሁማን ፓፒሎማ' (HPV) ንደቂ ኣንስትዮ ብምትእትታው ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ሃገራት ክትኸውን ኪኢላ። ፀኒሑ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ'ውን ክወሃብ ጀሚሩ። እዚ ከኣ ነቲ ብ 1991 ዝጀመረ መስርሕ ምርመራ ግዳያት መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ሓጋዚ ክኸውን ኪኢሉ። መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን፡ ቫይረስ 'ሁማን ፓፒሎማ' (HPV) ብዝበሃል ቫይረስ ብፆታዊ ረኽቢ ካብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ሓደ እዩ። ንደቂ ኣንስትዮ ከጋጥምወን ካብ ዝኽእሉ ዓይነታት መንሽሮ ብራብዓይ ደረጃ ይስራዕ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ ከኣ ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሞት ከስዕብ ዝኽእል ዓይነት መንሽሮ እዩ። ኣብ ኣወስትራልያ ዘጋጥም መጠን እዚ ሕማም ካብ 100,000 ኣብ ሸውዓተ ሰባት እዩ። ብደረጃ ዓለም ዘሎ ማእከላይ ገምጋም ግን ዳርጋ ክልተ ዕፅፊ ናይታ ሃገር ከምዝኾነ ይግለፅ። ኣብታ ሃገር ዘጋጥም መንሽሮ ኣፍ ደገ ማህፀን ክሳብ 2035 ኣብ ዝህሉ ግዜ ካብ 100,000 ኣብ ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ ከምዝኸውን መፅናዕትታት ይሕበሩ። ብርግፅ እቲ ሕማም ዝንክየሉን ብዙሕ ዘየጋጥም ክኸውንን ዝኽእለሉ ግዜ ብዝምልከት ውድብ ጥዕና ዓለም ዘነፀሮ ገደብ ግዜ የለን። በዓል ሞያ መፅናዕቲ ዶክተር ሞርጋን ስሚዝ "ሕዚ ብዘሎ ትሑት መጠንን ፅንኩር ብዝኾነ ናይ ምኽልኻል ስራሕትናን ኣወስትራልያ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምኾነት" ክብሉ ንቢቢሲ ተዘሪቦም። እታ ሃገር ነቲ ዝነበረ መስርሕ ምርመራ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚራ ኣበርቲዓ ቀፂላትሉ። ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሕብሮ ብሰንኪ መንሽሮ ኣፍደገ ማህፀን ካብ ዘጋጥም ሞት ካብ 10 እቲ ትሸዓተ ኣብተን ኣብ ትሑትን ማእኸላይን እቶት ዘለወን ሃገራት የጋጥም። ሞቕታዳ ኣ'ሳድር፡ 'ብጐነጽ ዝሓበለ ሰውራ፡ ሰውራ ኣይኰነን' ኣብ ባቕዳድ ርእሰ ከተማ ዒራቕ ዝቐነየ ሞትን ዕግርግርን፡ ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለውዎ ጸላዊ ፖለቲከኛ ‘ታ ሃገር ዝዀነ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ደገፍቱ ተቓውሞን ዕግርግርን ደው ከብሉ ድሕሪ ዘቕረቦ መግናሕትን ምሕጽንታ ሃዲኡ'ሎ። ንሱ፡ ትማሊ ብተሌቭዥን ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ብዓመጽን ጐነጽን ዝሓበለ ሰውራ፡ ሰውራ ኣይኰነን፡" ብምባል ደገፍቱ ካብቲ ወሪሮም ሒዞምዎ ዝቐነዩ ህንጻ ቤተ መንግስቲ ክወጽኡ ጸዊዑ። ኣብታ ሃገር፡ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ስለዘይተኻእለ፡ ደገፍቲ ኣ’ሳድር ኣብ ህንጻ ባይቶ ‘ታ ሃገር ንሰሙናት ዓሪዶም ተቛውሞኦም ከስምዑ ከም ዝቐነዩ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ‘ቲ ውሩይ ፖለቲከኛ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ዒራቕን ምስ ኢራን ሕብረት ዘለዎም ሚሊሻታትን ብዝተፈጠርዎ ግጭት፡ ብውሑዱ 23 ሰባት ተቐቲሎም። እዚ ኣብ መወዳእታ ዝዓረገ ዕግርግር፡ ሞቕታዳ ንነብሱ ካብ ፖለቲካዊ ህይወት 'ታ ሃገር ከግልል ከም ዝወሰነ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። ንሱ ነዚ ውሳነኡ’ዚ ዘፍለጥ፡ ድሕሪ’ቲ ኣዋርሕ ዝወሰደ መንግስቲ ንምቛም ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ስለዘይተኻእለ እዩ። ሞቕታዳ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ብተደጋጋሚ ካብ ፖለቲካ ጥሮታ ከም ዝወጽአ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝጠቐሱ ተዓዘብቲ ግን፡ እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ’ውን “ታክቲክ” ናይቲ ፖለቲከኛ እዩ፡ ይብሉ። ፖለቲካዊ ቀጽሪ ኣ’ሳድር፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ዒራቕ ዝበዝሐ መናብር ከም ዝተዓወተ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ምስቲ ብኻልኣይ ደረጃ ዝተዓወተ ብኢራን ዝድገፉ ሰልፊታት ሺዓ ዝሓቘፈ ሕብረት ተቓወምቲ ሰልፊታት ግን፡ ፖለቲካዊ ልፍንቲ ኣብ ምምስራት ክሰማማዕ ኣይከኣለን። ኣቐዲሙ ምስ ኢራን ርክብ ዝነበሮ ኣ’ሳድር፡ ኣብዚ እዋን ነቲ ምስ ኢራን ዝነበሮ ርክብ በቲኹ፡ “ዒራቕ ካብ ጽልዋታትን ምትእትታዋትን ኣሜሪካን ኢራንን ሓራ ክትከውን ኣለዋ” ዝብል ሃገራዊ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ። ዓመታት ዝቐጸለ ዕግርግርን ጕጅለታትን፤ ካብቲ ኣብ 2003 ዝተኻየደ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ወራርን ውድቀት ስርዓት ሳዳም ሑሴንን ኣትሒዙ፡ ዘይምርግጋእን ምዕባይ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ርእያ እያ። እዚ ኸኣ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ወጥርን ምትፍናንን ክትነብር ገዲድዋ እዩ። ክብደት ንቡር መዓልታዊ ህይወት፤ እታ ሃገር ብነዳዲ ሃብታም’ኳ እንተዀነት፡ ብዙሓት ዒራቓውያን ግን ብሰንኪ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ስሩት ብልሽውናን ሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ይሳቐዩ፤ ነዚ ኸኣ ተኸታተልቲ መንግስታት ተሓተትቲ እዮም። ውሽጣዊ ወጥሪ፤ ኣብታ ሃገር እቶም ብዙሓን፡ ተኸተልቲ ሺዓ ዓረብ ኰይኖም፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ሳዳም ሑሴን ተጸቒጦም ዝነበሩ እዮም። ድሕሪ 2003 ኣብ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ኵነታት ግን ዕድል ስለዝረኸቡ ብፖለቲካዊ መዳይ ሓይሎም ወጺኦም፤ እዚ ኸኣ በቶም ኣዕራብ ሱኒ፡ ኩርዳውያንን ካልኦት ውሑዳን ማሕበረሰባትን ቂምታ ፈጢሩ። ሰኑይ ዝተኸሰተ ዕግርግር፡ ድሕሪ’ቲ ክኸርር ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ወጥሪ፡ ደገፍቲ ኣ’ሳድር ንህንጻ ፓርላማ ዒራቕ ንኻልኣ ግዜኦም ድሕሪ ምውራሮም ዝተፍጥረ እዩ። ሞቕታዳ፡ ካብ ፖለቲካዊ ህይወት ጥሮታ ከም ዝወጽእ ኣብ ትዊተር ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ሰልፈኛታት ብቕጽበት ነቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ፡ ኣብ ማእከል ባቕዳድ ዝርከብ፡ “ሓምላይ ዞባ” ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ዝተደኰነ ቤተመንግስቲ ‘ታ ሃገር ኣዕለቕሊቘምዎ። ሰዓብቲ ቀጽሪ ሺዓ ዝዀኑ ተቓወምቲ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ተዅሲ ከፊቶም ኣብታ ሃገር ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝተራእየ ዝኸፍአ ዕግርግር ፈጢሮም። ኣውቶማቲክ ጠበናጁን ሮኬታትን ተጠቒሞም ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ገጢሞም ክታዀሱ ከም ዝተራእዩ ኸኣ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም። ትማሊ ሰሉስ ንግሆ እምበኣር፡ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ሰዓብቱ ንዅሉ ጐነጻዊ ተግባሮም ደው ከብሉ ኣዚዙ፣ ነቲ ዝተፈጥረ ምፍሳስ ደም ድማ ንህዝቢ ዒራቕ ይቕረታ ሓቲቱ። “እዚ ሰውራ’ዚ፡ ብጐነጽ ዝሕበለ ክሳብ ዝዀነ ሰውራ ኣይኰነን” ክብል፡ ብተለቪዥን መዲሩን ንሰዓብቱ ገኒሑን። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣማኢት ኣሽሓት ደገፍቱ፡ ካብቲ ሓምላይ ዞባ ለቒቘም ክወጽኡ እንከለው፡ ሰራዊት ‘ታ ሃገር ከኣ ነቲ ኣጽኒዕዎ ዝነበረ ሰዓት እቶ-እቶ ብኡ ንብኡ ኣልዒልዎ። እቲ ሚልዮናት ሰዓብቲ ዘለውዎ፡ ወዲ 48 ዓመት ጸላዊ ፖለቲከኛ ሞቕታዳ ኣ’ሳድር፡ ኣንጻር’ቲ ንተራ ዒራቓውያን ግዳይ ዝገበረ፡ ሱር ዝሰደደ ብልሽውና፡ ድኽነት፡ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ቀንዲን ሓያልን ተቓላሲ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ኢራን፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምሟታ ቁጠዐ ፈጢሩ ሓንቲ ጓል 22 ዓመት ኢራናዊት ፡ ሒጃብ ዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት ዘይተኸተለት፡ ብዝብል ብፖሊስ ‘ሞራል’ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወት፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ምሟታ ቁጥዐ ኣስዒቡ። ማህሳ ኣሚኒ ብሰሉስ ኣብ ቴህራን ኣብ ቀይዲ ምስ ወዓለት፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ናይ ፖሊስ ቫን እንከላ ከምዝተሃርመት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም። ፖሊስ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ወ/ሮ ኣሚኒ "ሃንደበታዊ ጸገም ልቢ እዩ ኣጋጢምዋ" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ብሰበስልጣን ኢራን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ዝምልከቱ ተኸታተልቲ ጸብጻባት ዝወጽኡ ዀይኖም፡ እዚ እቲ ናይ ቀረባ እዩ። ስድራቤት ወ/ሮ ኣሚኒ፡ ንሃንደበታዊ ጸገም ልቢ ዘቃልዕ ጥዕናዊ ኩነታት ዘይብላ ጥዕይቲ መንእሰይ ምንባራ ይዛረቡ። እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ ምእሳራ ሒደት ሰዓታት ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደት ተሓቢርዎም፡ ዓርቢ ቅድሚ ምሟታ ድማ ተመግዲራ [ኣብ ኮማ] ከም ዝነበረት እቶም ስድራ ገሊጾም። ፖሊስ ቴህራን ከም ዝበሎ፡ ሚስ ኣሚኒ ብዛዕባ እቲ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ክለብስኦ ግዴታ ዝኾነ ሒጃብ "ርትዓውነትን ትምህርትን" ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት ሓቢሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓፈና ተግባራት እናዓበየ ምስ ከደ፡ ምስ እስላማዊ ኣከዳድና ዘይሳነ ገይረን ተባሂለን ዝተበየና፡ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ባንክታትን ከይኣትዋ ኣብ ዝተኸልከላሉ እዋን እዩ። ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ሓዊሱ ብዙሓት ኢራናውያን ኣብ ልዕሊ ‘ሞራላዊ ፖሊስ’ ብዝብል ዝፍለጥ መምርሒ ዘተግበር ኣወዳድባ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቁጥዐኦም ይገልጹ ኣለዉ። 'ቅትለት ፓትሮል' ተባሂሉ ዝትርጎም ‘ሃሽታግ’ ተጠቒሞም ድማ ይጉስጉሱ ኣለዉ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገለ ሓለፍቲ ፖሊስ ንደቂ ኣንስትዮ ክኣስሩን ኣብ መሬት እናጎተቱ ብሓይሊ ክወስዱን ዘርእዩ ቪድዮታት ተቐልቂሎም ኣለዉ። ብዙሓት ኢራናውያን ንላዕለዋይ መራሒ ዓሊ ካመነይ ብቐጥታ ይወቅስዎ። ናይ ቀደም መደረኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዳግማይ ይባዛሕ ዘሎ ኾይኑ፡ ኣብኡ ድማ ተራ ‘ፖሊስ ሞራል’ ደቂ ኣንስትዮ እስላማዊ ኣከዳድና ክኽተላ ከገድድ ምኽንያታዊ ምዃኑ ዘስምዕ እዩ። እዚ፡ ኣብ መንጎ ሰፊሕ ክፋል መንእሰይን ንጡፍን ሕብረተሰብ ኢራንን ኣኽረርትን ዘሎ ፍልልይ ከዕምቖ እዩ ተባሂሉ ይስጋእ፤ እዚ ምፍልላይ እዚ ንምእራም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝኸበደ ይመስል። ኣብ ገማግም ባሕሪ ኖርወይ ዝተረኽበ ሬሳ ወዲ 15 ወርሒ ቖልዓ ፖሊስ ኖርወይ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ዝተረኽበ ሬሳ፡ ኣብ መትረብ እንግሊዝ ዝሞተ ወዲ 15 ወርሒ ቖልዓ ምዃኑ ገሊጾም። እዚ ወዲ 15 ወርሒ ኣርቲን፡ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ምስ ኣርባዕተ ኣባላት ስድራ ቤቱ ዝጐዓዙላ ዝነበሩ ጃልባ ምስጠሓለት እዩ ሬስኡ ተገፊዑ ኣብ ገማገም ባሕሪ ተረኺቡ። ስድራ ቤት ኩርድ-ኢራናውያን ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ክብሉ እዮም ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ሓደጋ ምጥሓል ኣጋጢሙዎም። ኣዝማድ እታ ስድራ ቤት ብዛዕባ እቲ ንኣርዲን ዘጋጠሞ ነገር ክንገሩ እንከለው ብሞቱ ዝተሰመዖም ዓሚቚ ሓዘን ይገልጹ ኔሮም። ሬሳ ኣርቲን [እቲ ቘልዓ] ንክቕበር ናብ ኢራን ክምለስ እዩ። ፖሊስ ኖርወይ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሬሳ፡ ሓድሽ ዓመት መዓልቲ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ጥቓ ካርሞይ ኣብ ዝርከብ ገምገም እታ ሃገር፡ ብኽልተ ኣባላት ፖሊስ ከም እተረኽበ ሓቢሩ። "ኣብ ኖርወይ ዝጠፍአ ህጻን ኣይነበረናን፡ ንፖሊስ ዝሓበሩ ስድራ ቤት እውን ኣይነበሩናን" ክትብል ሓላፊት መርመራታት ፖሊስ ካሚላ ትጀል ዌጌ ንቢቢሲ ሓቢራ ። እቲ ቖልዓ ለቢሱዎ ዝነበረ ሰመያዊ በጃ ኽዳን ናይ ኖርወይ ክዳን ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ቖልዓ ካብ ካልእ ቦታ ብማዕበል ተገፊዑ ዝመጽአ ክኸውን ከምዝኽእል ገሚትና ትብል። ብድሕሪኡ ፖሊስ፡ ዲ.ኤን.ኤ. ናይቲ ሬሳ ወሲዶም። ካብኡ ኣዝማድ እቲ ቖልዓ እቲ ሬሳ ናይ ኣርቲን ምዃኑ ሓቢሮም። "ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ኣብ ስነ-ፍልጠት ምርመራ ሬሳን ገበንን [ፈረንዚክ] ዝሰርሑ ክኢላታት፡ ምስ ናይ ኣዝማድ ዲ.ኤን.ኤ. ናይቲ ሬሳ ወሲዶም። ካብኡ ኣዝማድ እቲ ቖልዓ እቲ ሬሳ ናይ ኣርቲን ምዃኑ ሓቢሮም። "ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ኣብ ስነ-ፍልጠት ምርመራ ሬሳን ገበንን [ፈረንዚክ] ዝሰርሑ ክኢላታት፡ ምስ ናይ ኣዝማድ ዲ.ኤን.ኤ. መርመራ ብምክያድ ነቲ ሬሳ ኣለልዮሞ" ይብል መግለጺ ፖሊስ ኖርወይ ። እታ ብ27 ጥቅምቲ ኣብ መትረብ ኢንግሊዝ ዝጠሓለት ጃልባ ንራሶል ኢራንነጃድ ወዲ 35 ዓመት ንሺቫ ሞሓመድ ፓናሂ 35፡ ኣኒታ ጓል ትሽዓተ ዓመት፡ ከምኡ'ውን ንወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኣርሚን ሒዛ ነይራ - ኩሎም ከኣ ሞይቶም። እታ ስድራ ቤት፡ ደቂ እታ ኣብ ምዕራባዊ ኢራን እትርከብ ሳርዳሽት እትበሃል ኣብ ጥቓ ዶብ ዒራቕ ዘላ ከተማ እዮም። ካልኦት ዓሰርተ ሓሙሽተ ስደተኛታት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም። ብዛዕባ ምጥሓል ናይታ ጃልባ ዝምልከት ከኣ ኣብ ደንኪርክ ብናይ ፈረንሳ ህዝባዊ ኣኽባር ሕጊ መርመራ ተኸፊቱ ኣሎ። እታ ንፖሊስ ኖርወይ ዝተዛረበቶም ካልአይቲ ዘመድ ኒሃያት፡ "ሕጉስትን ጉህይትን እየ" ክትብል ብሰኑይ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ዋላ'ኳ ኣርቲን ንሓዋሩ እንተገደፈና ኣብ መወዳእታ ሬስኡ ብምርካቡ ሕጉስቲ እየ ኢላ። ኣብ ስዊዘርላንድ እትነብር ሻቪን ዝስማ ሓትኖኡ እውን፡ ኣርቲን፡ ምስ ኣባለት ስድራኡ ኣብ ዓዱ ሳርዳሽት ንኽዓርፍ እቲ ዝግባእን ዘድልን ናይ ወረቐት ስራሕ የሳልጡ ከምዘለው ሓቢራ። ድሕሪ ምጥሓል እታ ጃልባ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቢቢሲ፡ ካብ ሚስተር ሞሓመድ ፓናህ ዝተላእኸ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግምቶ ተኸታታሊ ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት በጺሑዎ። ሓደ ካብኡ፡ ንመትረብ ኢንግሊዝ ብጃልባ ምስጋር ሓደገኛ ምዃኑ እኳ እንተ ተኣመነ፡ "ግን ኣማራጺ የብልናን" ኣብ ዝብል መደምደምታ ከምዝበጽሐ የረድእ። እታ ካልአይቲ መልእኽቲ፡ "ብመኪና ንክንጓዓዝ ብዙሕ ገንዘብ ስለእንሕተት ዓቕሚ ከኣ ስለዘይብልና ኢና ብጃልባ ክንከይድ ንግደድ ዘሎና" ትብል ። ካልእ ድማ፡ "ኣብ ልበይ ከቢድ ሓዘን ኣሎኒ ግን ሕጂ ካብ ኢራን ስለዝወጻእኩ፡ ንሕሉፍ ህይወተይ ክርስዖ እደሊ" ይብል ። ኣርቲን ምስ ስድራቤቱን ናብ መትረብ እንግሊዝ ቅድሚ ምብጋሶም፡ ኣብ ደንኪርክ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ኣዝዩ ፍቱው ቖልዓ ከምዝነበረ ሓደ ቢላል ጋፍ ዝተባህለ ስደተኛ ይገልጽ። ቅድሚ 10 መዓልቲ፡ ምስቲ ቖልዓ ዝተሳእሎ ስእሊ እናርኣየ፡ "ኣዝዩ ሕጉስ ህጻን እዩ ነይሩ። ሰባት ኣዝዮም ጕህዮም እዮም፣ ግና እንታይ ክንገብር ንኽእል? ዋላ ሓንቲ! ንበኪ ጥራሕ - ንበክን ነእውን ኣሎና " ይብል። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢራናውያን ኩርዳውያን ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንክኣትው ንህይወት ስድራ ቤቶም ኣብ ኢድ ኣስጋገርቲ ደቂ ሰባት የውድቑዎ ኣለው። ኣብ ኢራን ዝርከብ ዞባ ኩርድ፡ ፖለቲካዊ ሃድንን ቊጠባዊ ቅልውላውን ኣጋጢምዎ ኣሎ። ካብ 25 ክሳዕ 35 ሚልዮን ዝዀኑ ኩርዳውያን ኣብቲ ንዶባት ቱርኪ፡ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ኢራንን ኣርመንያን ዝሓቁፍ ኣኽራን ዝበዝሖ ከባቢ እዮም ዝነብሩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘ ካልእ ዓቢ ቀቢላ ዘቝሙ እኳ እንተ ኰኑ፡ ገና ቀዋሚ ሃገር ኣይረኸቡን። ልእልቲ ኤምቪ ኣስፋልት ዝተባህለት መርከብ ተጨውያ ናብ ኢራን ክትከይድ ተኣዚዛ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ሓንቲ ናይ ፓናማ ባንዴራ ዝነበራ መርከብ ብዕጡቓት ተጨውያ ናብ ኢራን ክትጐዓዝ ተኣዚዛ ምህላዋ ሎይስ ሊስት ማሪታይልድ ዝተባህለ ትካል ኣረጋጊጹ ። እታ መርከብ ናብቲ ኣብ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝርከብ መራኽብ ንግዲ ዝመሓላለፋሉ ጽዑቕ መስመር ተምርሕ ከም ዝነበረት እቲ መግለጺ ሓቢሩ ። ነታ መርከብ መን ከም ዝሓዛ ብንጹር ኣይተፈልጠን፤ ግን ሓይልታት ኢራን እዮም ዝጥርጠሩ ይብሉ ተንተንቲ ። ኢራን ነቲ ዝወጽአ ጸብጻባት፡ ኮነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ቴህራን "ተጻራሪ ስጕምቲ" ንምውሳድ ዝተፈብረኸ እዩ ክትብል ነጺጋቶ። እዚ ፍጻመ እዚ ዘጋጥም ዘሎ፡ ብሓደ እስራኤላዊ ኩባንያ ዝውነን ናይ ነዳዲ መርከብ ኣብ ስግር ዖማን ብዝተፈጸመ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ፡ ሓደ ብሪጣንያዊ ሓደ ከኣ ሮማንያዊ ሓለውቲ ጸጥታ ካብ ዝቕተሉ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ። ኣመሪካ፣ እንግሊዝን እስራኤልን ነቲ መጥቃዕቲ ኢራን ከም ዝፈጸመቶ እየን ዝገልጻ፤ ኢራን ግን ነቲ ተግባር ኣትሪራ ነጺጋቶ። ተንታኒ ጸጥታ ቢቢሲ ፍራንክ ጋርድነር ከም ዝገለጾ፡ እታ ልእልቲ ኤምቪ ዝተሰምየት መርከብ፡ ኣብ ዱባይ ብዝርከብ ሓደ ትካል እትውነን ኰይና፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ሓንቲ ካብ መራኽባ ብሰውራት ጋርድ ኢራን ተጨውያ ነይራ። ጸብጻባት ከም ዝሓበሩዎ እታ ልእልቲ ኤም.ቪ ኣስፋልት ዝተባህለት መርከብ ናብ ኣፍደገ ናይቲ ሓደ ሕምሲት ነዳዲ ዓለምና ዝመላለሰሉ ባሕሪ ንኽትኣቱ ናብ መጻብቦ ሆርሙዝ ምስ ቀረበት ትሽዓተ ዝዀኑ ዕጡቓት ተሳፊሮም እዮም ጨውዮማ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ክፍሊ ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ መራክብ ንግዲ፡ ኣብ ጥቓ ፉጃራ ኣብ ዝርከብ ወሽመጥ ዖማን ክበጽሓ እንከለዋ ልዑል ጥንቃቐ ከካይዳ መኺሩ ነይሩ። ወሃቢ ቃል ጉዳያት ወጻኢ ዓዲ-እንግሊዝ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሕቡራት ኢማራት ብዛዕባ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝምልከቶ ኣካል ብህጹጽ ይምርምሮ ከም ዘሎ ገሊጹ ። ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ነቲ ጸብጻብ "ኣዝዩ ዘሻቕል" ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። ትካል ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ቅድሚ ሰዓታት "ሓደጋ ከጋጥም ይኽእል እዩ" ክብል ንመራኽብ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ ነይሩ እዩ። እቲ መጭወይቲ ቅድሚ ምግጣሙ፡ ኣብቲ መዓልቲ ኣርባዕተ ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ቀላሲ መዘውረን ንምቁጽጻር ከም ዝተጸገማ ሓቢረን ነይረን። እዚ ማለት ከኣ እታ መርከብ ናይ ምእዛዝ ሓይላ እንተጥፊኣ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን እያ ማለት እዩ። ዳሕራይ ግን ሓንቲ ካብተን መራኽብ ጸኒሓ ክትንቀሳቐስ ከም ዝጀመረት ኣገልግሎት ዜና ኤፒ ሓቢሩ ። ብመሰረት ሓበሬታ ፍላይትራዳር24.com ሓንቲ ሓይሊ ኣየር ዖማን ዝቈጻጸራ ነፈርቲ ውግእ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ክትዝምቢ ከም ዝተራእየት ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እቲ ብሰሉስ ምስ ሓያሎ መራኽብ ብዝተተሓሓዘ ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ "ዝያዳ ተጠራጠርቲ" ከም ዝገበሮም ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ልዕሊ ቴህራን ዝዀነ ይኹን ናይ ሓሶት ጠቐነ ንኸይግበር ኣጠንቂቑ፡፡ ኣመሪካ፡ ነዳዲ ዝጸዓና ዓበይቲ መራኽብ ኢራን ማሪኻ ኣመሪካ፡ ነዳዲ ጽዒነን ናብ ቬነዝወላ ዝኸዳ ዝነበራ ኣርባዕተ መራኽብ ኢራን ከም ዝሓዘት ኣፍሊጣ። ብመሰረት ሚኒስትሪ ፍትሒ እታ ሃገር፡ ኣመሪካ ብሓገዝ ናይ ወጻኢ መሻርኽቲ ኣቢላ፡ 1.1 ሚልዮን ነዳዲ ዝሓዘ በርሚል ኣብ ቁጽጽራ ኣእቲያቶ'ላ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቲ ናይ ነዳዲ ሰደድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣመሪካ ከም ዝጠሓሰ እዩ ዝገልጽ። ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ቬኔዝወላ ግን፡ እተን መራኸብ ኾና ወነንቲ እተን መራኽብ ኢራናውያን ከም ዘይኮኑ ገሊጹ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ እተን ኣርባዕተ መራኽብ ክተሓዛ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክሲ ከም ዘእተወን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ድማ እተን መራኽብ ክተሓዛ መምርሒ ከም ዝሃበን ገሊጹ። ትማሊ ዓርቢ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነተን ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ "ብዕውት መገዲ ከም ዝሓዘን" ኣፍሊጡ። እቲ ብሚልዮናት ዶላራት ዝትመን ነዳዲ ብእስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝለኣኽ ከም ዝነበረ'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ። እንተኾነ፡ እተን ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ መዓስን ኣበይን ከም ዝተታሕዛ እቲ መግለጺ ኣየነጸረን። ኣመሪካ፡ ንሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ መዝገብ ግብረ-ሽበራ ኣእቲያቶም ከም ዘላ ይፍለጥ። ኢራን'ውን ብወገና፡ ነቲ ኣብ ወሽመጥ ዝርከብ ሰራዊት ኣሜሪካ ከም ኣሸባሪ ጉጅለ ከም እትፈልጦ እያ እትሕብር። እተን ነዳዲ ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ቁጽጽር ኣመሪካ ምስ ኣተዋ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢራን ንኽመልሰን ዘይዕውት ፈተነ ከም ዝገበረ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ሓቢሩ። ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ቨኔዝወላ ሓጃት ሶልታኒ፡ ነቲ ብኣመሪካ ዝወጽአ ጸብጻብ "ናይ ሓሶት ፖሮፓጋንዳ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ። ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ 2018 ካብቲ ምስ ኢራን ዝኸተመቶ ውዕል ኒኩሉር ምስ ሰሓበት፡ ደጊሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ምስ ኣንበረ እቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ወጥሪ ክዓቢ ጸኒሑ'ሎ። ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ቨኔዝወላን ሓያል ቁጠባዊ እገዳ ኣንቢራትለን ኣላ። ኣመሪካ፡ ንፕረዚደንት ቨኔዝወላ ኒኮላስ ሞዱሮ'ውን ካብ ስልጣኑ ክትኣልዮ ትቃለስ ከምዘላ ይፍለጥ። ሰርሰርቲ ሩስያ፡ እንደገና "ንመረፃ ኣሜሪካ" ዒላማ ገይሮም ምስ ሩስያ፣ ቻይናን ኢራንን ርክብ ዘለዎም ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ፡ ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ 2020 ንዝሳተፉ ሰባትን ጉጅለታትን ንምስላል ይፍትኑ ከምዘለዉ ማይክሮሶፍት ገሊፁ። እዞም ሰርሰርቲ፡ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ንጎስጓስ ሰልፊ ዲሞክራት ዒላማ ብምግባር ዘጥቅዑ ከምዝኾኑ እቲ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ሓቢሩ። ናይ ወፃኢ ጉጅለታት ነዚ መረፃ ዒላማ ይገብሩ ምህላዎም ግልፂ እዩ ዝበለ ማይክሮሶፍት፡ ጎስጓሳት ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ግዳያት እዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። ስትሮንቲዮም ናይ ዝተብሃለ ጉጅለ ሩስያውያን ሰርሰርቲ፡ ምስ ውድባት ፖለቲካ ኣሜሪካ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ርክብ ንዘለዎም ልዕሊ 200 ትካላት ከምዘጥቅዑ ድማ ማይክሮሶፍት ሓቢሩ። እዞም ሩስያውያን ሰርሰርቲ ንውድባት ፖለቲካ (ሰልፍታት) ብሪጣንያ'ውን ከምዘጥቅዑ'ውን ተገሊፁ። ስትሮንትዮም፡ ምስ ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ ምትእሳር ኣለዎ ተባሂሉ'ዩ ዝጥቐስ። ዚርኮንዮም ተባሂሎም ዝፍለጡ ቻይናውያን ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ'ውን፡ ምስ ጎስጓስ ጆ ባይደን ርክብ ንዘለዎም ውልቀሰባት ዒላማ ከምዝገበሩ ዝሓበረ ማይክሮሶፍት፡ ኢራናውያን ሰርሰርቲ ፎስፎረስ ድማ ምስ ናይ ትራምፕ ጎስጓስ ርክብ ንዘለዎም ንምጥቃዕ ይፍትኑ ከምዘለዉ ገሊፁ። ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ሰርሰርቲ ከምዘይተዓወቱ እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ። ምክትል ውሃቢ ቃል ጎስጓስ ትራምፕ ትያ ማክዶናልድ፡ "ዓብይ ዒላማ ኢና፡ ስለዚ ኣብ ጎስጓስናን ኣባላትናን ዒላማ ዝገበረ እከይ ተግባር ምርኣይ ዝገርም ኣይኮነን" ኢላ። ብዓል መዚ ጎስጓስ ናይ ጆ ባይደን'ውን፡ ካብ መፈለምትኡ ንከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዒላማ ከምዝኾኑ ይፈልጡ ከምዝነበሩን ተዳልየምሉ ከምዝነበሩን'ዩ ሓቢሩ። ናይ ዓለምና ዝዓበየ ቴሌስኮፕ ናብ ህዋ ተሰዲዱ ‘ጀምስ ዌብ’ ዝብል ስያመ ዝተወሃቦ ዋጋ 10 ቢልዮን ዶላር ቴሌስኮፕ ነተን ንኣድማስ [‘ዩኒቨርስ’] ብርሃን ዝሃባ ፈለሞት ከዋኽብቲ ናይ ምርኣይ ዕማም ሒዙ ከምዝተልኣኸ ተገሊጹ። እቲ ቴሌስኮፕ ብሮኬት ዝተሓምበበ ኮይኑ ናብ ኦርቢት ንምብጻሕ ትሕቲ ፍርቂ ሰዓት ወሲዱ’ሎ። እዚ ዕውት ጉዕዞ ድማ ኣብ ኬንያ - ማሊንዲ ብዝተተኸለ ኣንቴና ምርግጋጽ ተኻኢሉ። ጀምስ ዌብ ዝብል ስያመ ዝተወሃቦ ንሓደ ካብቶም ናይ ኣፖሎ ናብ ወርሒ ምዕላብ ዝነደፉ (ዝሓንጸጹ) መሃንዲሳት ንምዝካር’ዩ። ምስ ትካላት ምርምር ጠፈር (ህዋ) ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳን ካናዳን ብምትሕብባር ክሰርሑ ዝጸንሑ መሃንዲሳት ነቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሰርሐ ‘ሃብል’ ብዝብል ንዝፍለጥ ቴሌስኮፕ ብ100 ዕጽፊ ዓቕሚ ዝበልጾ ‘ጀምስ ዌብ’ ከምዝሃነጹ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብቲ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ክዕመም ዝጸንሐ ፕሮጀክት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ኣሽሓት ሰብሞያን ተመራመርትን ከምዝተሳተፉሉ ይግለጽ። ዌብ ዝተወንጨፈሉ መስርሕ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝፍጸሙ ተኸታተልትን ዝተሓላለኹን ስራሕቲ መበገሲ እምበር ከም ዓብዪ ዕማም ዝውሰድ ኣይኮነን ተባሂሉ’ሎ። እቲ ቴሌስኮፕ ካብ መሬት ኣስታት 1.5 ኪሎሜትሮ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ መቆጻጸሪ ጣቢያ ደው ክብል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ። ናብቲ ቦታ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ድማ ካብ ዝተሸፈነሉ ኣካል ፈንጺሑ ክውጽእን ጉዕዝኡ ክቕጽልን ትጽቢት ይግበር። እዚ ኩነታት ግን ቀሊል ከምዝይኸውን ሓደ ካብ ሓላፍቲ ናሳ [ትካል ምርምር ህዋ ኣሜሪካ] ዝኾነ ቢል ኔልሰን ይዛረብ። “ገና ክንሰርሖም ዝግብኡናን ብምሉእነት ዕውታት ክኾኑ ዝግብኦምን ብዙሓት ዕማማት ኣብ ቅድሜና ከምዘለዉ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ዓብዪ ውጽኢት ኣብ እትረኽበሉ ስራሕ ዓብዪ ሓደጋ ክህልው ከምዝኽእል ንፈልጥ ኢና። እዚ ስራሕ ከኣ ከምኡ’ዩ” ኢሉ። ኣብቲ ቴሌስኮፕ 6.5 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ወርቃዊ ዝሕብሩ መንጸባረቒ መስትያት ከምዝተገጠመሉን እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሃነጸ ሃብል ዝተበሃለ ቴሌስኮፕ ዝነበሮ መስትያት ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዓቢ ተሓቢሩ። እዚ መስትያን ተመራመርቲ ነቲ ኣብ ህዋ/ጠፈር ዘሎ ነገራት ብዕምቆት ንኽሪኡ ከምዘኽእሎም ይግለጽ። ቀንዲ ዒላማ እቲ ቴሌስኮፕ ከኣ ነቲ ቅድሚ 13.5 ቢልዮን ዓመታት ዝነበረ ጸልማት ቀንጢጦም ብርሃን ንዝሃቡ ፈላሞት ከዋኽብቲ ምፍላጥ’ዩ። ብተወሳኺ ድማ ተመራመርቲ ንኹነታት እተን ብነዊሕ ርሕቐት ዝርከባ ፕላኔታት ብምጽናዕ ንናብራ ደቂሰብ ምችውነቶም ናይ ምርግጋጽ ሸቶ ኣለዎ። ቻይና ኣብ ጠፈር መደበር ንምህናጽ ዘኽእላ ኣቕሑት ናብ ህዋ ልኢኻ ቻይና ኣብ ጠፈር ቀዋሚ መደበር ንምትካል ዘኽእላ ናይ ፈለማ ኣገደስቲ ኣቕሑት ዝሓዘ መንኮርኮር ናብ ህዋ ከም ዝወንጨፈት ተገሊጹ። እታ ኣቕሑት ብሓሙስ ካብ ማእከል መወንጨፊ ዌንቻንግ ብዝተወንጨፈት መንኮርኮር ሎንግ ማርች 5ቢ እዩ ተላኢኹ። ቻይና ንህንጸት እቲ መደበር ኣብ 2022 ንምዝዛም ወጢና ኣላ። ኣብዚ እዋን ኣብ ጠፈር ዝርከብ እንኮ መደበር፡ ዓለምለኻዊ መደበር ጠፈር ኮይኑ ኮይኑ፤ ንቻይና ዝነጸለ እዩ። ናብ ምርምር ህዋ ድሒራ ዝተጸምበረት ቻይና፡ ኣብ 2003 ናይ ፈለማ ጠፈርተኛ ናብ ህዋ ድሕሪ ምልኣኻ ንሶቭየት ሕረብትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስዒባ ነቲ ተግባር ዘፈጸመት ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና እያ። ዛጊት ቻይና ክልተ መደበራት ናብ ህዋ ልኢኻ ኣላ። እቶም ቲያንጎንግ 1 ከምኡ'ውን ቲያንጎንግ 2 ዝተበሃሉ መደበራት ግዝያውያን ብዙሕ ዘይማዕበሉ ኮይኖም ጠፈርተኛታት ብተዛማዲ ንሓጺር እዋን ክጸንሑ ዘኽእሉ እዮም። እዚ ሓድሽ፡ 66 ቶን ዝምዘን መደበር ንዓሰርተ ዓመታት ኣገልግሎት ክህብ ትጽቢት ይግበር። በይጂን ነቲ መደበር ንምህናጽ ዘድልይ ኩሉ መሳርሒታት ናብ ህዋ ንምልኣኽ 10 ተመሳሳሊ ምውንጫፋት ክትገብር የድልያ። እታ መደበር ካብ 340 ክሳዕ 450 ኪሜ ብራኸ ካብ መሬት ርሒቓ ክተበርር እያ። ኣብዚ እዋን እቲ እንኮ ኣብ ህዋ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መደበር ጠፈር ብምትሕብባር ሩስያ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውሮጳን ጃፓንን ዝቖመ ኮይኑ፤ ቻይና ኣብኡ ከይትሳተፍ ተኣጊዳ እያ። ዓለምለኻዊ መደበር ጠፈር ኣብ 2024 ካብ ኣገልግሎት ደው ዝብል ብምዃኑ ኣብ ጠፈር መሬት ዝዘውር እንኮ መደበር ትያንጎንግ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስግኣት ከም ዘለዎ ዝዛረብ እስክንድር ነጋ ሓለዋ ክግበረሉ ከም ዘይደልይ ገሊጹ ጋዜጠኛን ኣካቢ ቤት-ምኽሪ ኣዲስ ኣበባን ዝኾነ እስክንድር ነጋ፡ ትማሊ ብመናእሰይ ተኸቢቡ ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። "ትማሊ ቀዳም ምሽት ሰዓት 1፡00 ኣ.ኢ [07፡00 ኣ.ኣ] ኣኼባ ወዲስና ካብ ቤት ጽሕፈትና ክንወጽእ ከለና መናእሰይ ከቢቦምና" ኢሉ። ብቑጽሪ መናእሰይ ዝኾኑ 10 መናእሰይ ንዕኡን ንኻልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ኮሚቴ ፈጻሚት ስራሕ ባልደራስ [ባይቶ በዓል ሓደራ ኣዲስ ኣበባ] ከም ዝኸበብዎም ገሊጹ። "ሓሊፍናዮም ክንኸይድ ምስፈተንና ብመልክዕ ከበባ ኣርኪቦምና። ምንቅስቓሶም ዘስግእ ብምንባሩ ከኣ ናብ ድሕሪት ተመሊስና ፖሊስ ንኽሓቶም ገይርና። ሓደ ጥራሕ'ዩ ብፖሊስ ተታሒዙ" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኣረዲኡ። ካልኦቶም ብሚኒባስ ተሳፊሮም ከም ዝሃደሙ ብምሕባር፡ እቲ ዝተትሓዘ ግን ናብ መደበር ፖሊስ ምስተወሰደ፡ ኣባል ፖሊስን ምኽትል ሳጂንን ኮይኑ ከም ዝተረኸበ ተዛሪቡ። "ኣብቲ ከባቢ እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን 'ተመሃራይ እየ' ዝብል መልሲ ሂቡ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ፖሊስ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። ሽዑ ንሕና ቃልና ሂብና ከይድና፤ ንሱ ግን ኣብኡ ክጸንሕ ተገይሩ" ኢሉ እስክንድር ነጋ። እቶም መናእሰይ ዝኾነ ዘልዓልዎ ሕቶን ዝተዛረብዎ ነገርን ከም ዘይነበረ ዝዛረብ እስክንድር፡ "ከምዚ ዝበለ ነገር ቅድሚ ሕዚ ተፈጢሩ ኣይፈልጥን። ብዙሓት ስለዝኾኑ ሓደጋ ከብጽሑ ቀሊል'ዩ ነይሩ" ኢሉ። ወሲኹ ድማ "ምቹእ ቦታ ይመርጹ ስለዝነበሩ'ምበር፡ ኣብ ልዕሌና መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ድልየት ነይሮም" ክብል ሓቢሩ። "ብተደጋጋሚ ናይ ቅትለት ምፍርራሕ ይበጽሓኒ'ዩ" ዝብል እስክንድር፡ ብመንግስቲ ሓለዋ ክግበረሉ ከም ዝደሊይ ይዛረብ። "እቲ ሕዚ ካብ መንግስቲ ዝደልዮ ጉዳይ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዝተትሓዘ ሰብ ጥቡቕን ሳይንሳውን ዝኾነ ምጽራይ ክካየድ ጥራይ'ዩ" ክብል ሓቢሩ። እቶም ሰባት ምድላው ብምግባርን መጽናዕቲ ብምክያድን ከምዝመጽኡ እስክንድር እምነቱ ገሊጹ። ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ፖሊስ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ክሰምረሉ ኣይከኣለን። ብሰንኪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ግመ በረራታት ተኣጓጒሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸሰተ ግመ (ዕምብረ) ነፈርቲ ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከይብገሳን ኣብኡ ከይዓልባን ከም ዘተዓናቐፈ ተፈሊጡ። እዋናዊ በረራታት ዝምልከት መረዳእታ ዝዝርግሑ መርበባት ሓበሬታ፡ ‘ራዳር 24’ን ‘ፍላይት ኣዌር’ን ነፈርቲ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክዓልባ ተጸጊመን ኣብ ሰማይ ክዛውና የርእዩ ኣለዉ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጲያ'ውን፡ እቲ ግመ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝዓርፋ ይዅና ካብኡ ዝብገሳ ነፈርቲ ምትእጉጓል ከም ዝፈጠረ ኣብ ወግዓዊ ናይ ቴሌግራም ገጹ ሓቢሩ’ሎ። ካብ ቻይና - ጉዋንዙ ተበጊሳ ናብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝበረረት በረራ ቝጽሪ ET 607 ከምቲ ዝተሓሰበ ክትዓልብ ኣይከኣለትን። ብተመሳሳሊ ካብ ካናዳ - ቶሮንቶ ዝተበገሰት ET 607 ኤርባስ A350፡ እቲ ኵነታት ኣየር ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ሰማይ ኣዲስ ኣበባ ትዘውር ኣላ። ካብ በይሩት ሊባኖስ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዱባይን ተበጊሰን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኣ ነፈርቲ’ውን ኣንፈት በረራአን ክቕይራ ተገዲደን ኣለዋ። ብዘይካ'ዚ፡ እተን ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ክብገሳ ዝግባአን ነፈርቲ'ውን ምድንጓይ ከም ዘጋጠመን ተፈሊጡ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰንኪ’ቲ ግመ ዝሸፈኖ ኵነታት ኣየር ክንደይ በረራታት ከም ዘተኣጓጐለ ኣይገለፀን። መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብሰንኪ ብርቱዕ ኵነታት ኣየር በረራታት ክዕንቀፎ፡ እዚ ፈላማይ ኣይኮነን። ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝነበረ ግመ ብዙሓት ነፈርቲ ኣብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገርን ጐረባብቲ ሃገራትን ናብ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ክዓልባ ኣገዲዱ ነይሩ። ‘ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 200 ሽሕ ካሬ ሜትር መሬት ተወሪሩ’ ኢዜማ ብብርሃኑ ነጋ ዝምራሕ ውድብ: ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ)፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 200 ሽሕ ካሬ ሜትር መሬት ብውራ ከምዝተትሓዘ ብዝገበርኩዎ መጽናዕቲ ኣረጋጊጸ ኢሉ። እቲ ውራ መሬት ‘ሰብ መዚ መንግስቲ’ውን ዝተሳተፍዎ እዩ’ ዝበለ ኢዜማ፡ እዚ ድማ ንምክልኻሉ ኣጸጋሚ ገይርዎ ኣሎ ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ውራ መሬት ሓድሽ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግን ተራእዩ ብዘይፍለጥ መጠን: ውራ መሬት ተስፋሕፊሑ ምህላዉ እዩ እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ዝገልጽ። “[ውራ መሬት] ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዚ ደረጃን ቅልጣፈን ዝተስፋሕፈሓሉ እዋን ኣይነበረን” ይብል ኢዜማ ኣብ’ቲ ብደቂቕ ኣካይደዮ ዝበሎ መጽናዕቲ። ብዛዕባ’ዚ፤ መልሲ ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ቴለፎን ደዊልና ነይርና፡ ኣይሰመረን። ካብቶም ብውራ ተታሒዞም ዝበሎም ቦታታት “ንጥዕና፡ ትምህርትን ንሓምለዋይ ልምዓትን ክውዕሉ ተሓዚኦም ዝጸንሑ ቦታታት” ከምዝርከብዎም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። “ምምሕዳር ናይ’ታ ከተማ እናረኣየን እናሰምዐን ብዘይ ሕጋዊ መገድን ብዝተወደበን መልክዑ፡ ብውራ ዝተትሓዙ መሬታት ብቕልጡፍ ካርታን ፕላንን ተሰሪሑሉ ብመሸጣ ናብ ሳልሳይ ወገን ሓሊፉ እዩ፡ ብውልቀን ብማሕበርን ንመፍረዪን ንኣገልግሎት ንግዲን ክውዕል ተገይሩ፡ ብዝኾነ መለክዒ ናይ ገዛ ተረባሕቲ ክኾኑ ዘይግበኦም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ድማ ቦታን መለለዪ ወረቐትን ተዋሂብዎም” ድማ ይብል። ኢዜማ ከምዝብሎ፡ እቲ ውራ መሬት፡ ሰብመዚ መንግስቲ “ቀንዲ ተሳተፍቲ” ዝነበርሉ እዩ። “ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲን ኣካላት ፍትሕን ልዑል ኣበርክቶ ነይርዎም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ’ቲ ጉዳይ ቀንዲ ተዋሳእቲ እዮም። ዝደልዩዎም ሰባትን ጉጅለታትን መሬት ክወርሩ ኣጣጢሖም፡ ምስ ውልቀሰባት ተመሳጢሮም ድማ ባዕሎም ወረራ ፈጺሞም” ክብል ይኸስስ። ውድብ ኢዜማ ኣብ ሓሙሽተ ክፍላተ-ከተማ ብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ 212,600 ካሬ ሜትር መሬት ከምዝተወረረ ኣረጋጊጸ እየ ይብል። ንሳቶም ድማ፡ - ኣብ ንፋስ ስልክ ላፍቶ፡ 88,100 ካሬ ሜትር - ኣብ የካ፡ 63,000 ካሬ ሜትር - ኣብ ቦሌ፡ 15,000 ካሬ ሜትር - ኣብ ኮልፌ ቀራኒዮ፡ 23,600 ካሬ ሜትር - ኣብ ኣቃቂ ቃሊቲ ፡ 23,000 ካሬ ሜትር እቲ ውድብ ወሲኹ፡ ካብ ውራ መሬት ብተወሳኺ፡ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ (ኮንደሚንየም) ዘይፍትሓዊ ዕደላ ይካየድ ኣሎ ይብል። “ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይፍትሓዊ መገዲ፡ ኮንደሚንየም ንዘይግበኦም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ይህብ ከምዘሎ ኣረጋጊጽና ኢና” ኢሉ። “ብፍላይ እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ከተማ” ኢሉ ዝጠቅስ እቲ መጽናዕቲ፡ ዕጻ ኣውዲቑ ንዕድለኛታት ከከፋፍል ምዃኑ እኳ እንተገለጸ “ውሽጢ ንውሽጢ ንናይ ባዕሎም ኣባላት፡ ሹመኛታትን፡ ንዘይፍለጡ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ተዓዲሉ እዩ ክብል ከሲሱ። “ሰራሕተኛታት ክልል ኦሮሚያ፡ ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያ ኣዲስ አበባን ‘ኮንደሚንየም’ ከምዝተዓደሉ ይፍለጥ እዩ። ሕዚ ድማ ዳግም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮንደሚንየም ይዕደሎም ኣሎ” ኢሉ። ኣብ’ቲ ናይ ኢዜማ መጽናዕቲ፡ ናይ መንግስቲ መልሲ ኣይተኻተተን። ንምምሕዳር እቲ ከተማን ቤት ጽሕፈት ከንቲባን መብርሂ ሓቲቶም መልሲ ከምዘይረኸቡ እዮም ዝገልጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ንዝለዓሉ ግጭታት ግደ ማሕበራዊ ሚዲያ ክሳብ ክንደይ'ዩ? ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዝተቐድሐን ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝተዘርግሐን ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ'ዩ። ኣብቲ ምስሊ፡ ሓደ ብውልቀሰብ ብህይወቱ እንከሎ እኩባት ሰባት ብሓቂ ከቃጽሉዎ እንከለው ዝርኣይ ኰይኑ፡ ነዚ ዘተባብዑ ዘረባታት'ውን ይስምዑ። እዚ ምስሊ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ክዝርጋሕ እንከሎ፡ ብዙሓት ኰኒኖምዎን መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ሓቲቶምን'ዮም። ብኣንጻሩ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ናተይ ወገን’ዩ ተፈጺሙ ዝብሉ ሰባት ድማ፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ተጠቒሞም ብግልጺ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዑ ነይሮም። ካልኦት ድማ ነቲ ተግባር ብምንኣድ “ጸላኢ” ኣብ ልዕሊ ዝብሉዎ ወገን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክውሰድ የተባብዑ ነይሮም። ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶን መልእኽትን ዘለዎም ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ መልእኽታት፡ መጥቃዕትን ጽልእን ብምስራጽ ድሕነት ሕብረተሰብ ካብ ምንጋዕ ሓሊፉ ስነ ልቦናዊ ጸቕጥታት ይፈጥሩ ኣለው። ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ኣዝዮም ዘሰንብዱ ምስልታት ኣብ ፌስቡክን ካልኦት ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣማራጺታትን ምዝርጋሕ ልሙድ ኰይኑ’ዩ። ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ዝዀነ ወንድሜነህ እንግዳ፡ “ፌስቡክ ምጥቃም ካብ ዘቋርጽ ክልተ ወርሒ ኰይኑኒ ኣሎ” ይብል። “በቃ! ፌስቡክ ክኸፍት እንከለኹ ዝርእዮ ጽሑፍን ስእልን ብዛዕባ ቅትለትን ሞትን እዩ። ኣብ ልዕሊ ግዳያት ዘባጭዩ’ውን ኣለው። እዚ ንኣእምሮይ ክርብሾ ጀሚሩ” ብምባል ነቲ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝርሓቐሉ ምኽንያት የረድእ። ስለዚ፡ “ተመሊሰ ፌስቡክ ዝጥቀም ኣይመስለንን” ይብል። ቢቢሲ፡ ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን ከምኡ’ውን ቴሌግራም ዝርኣዮም ቪድዮታትን ስእልታትን ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ከም ዝዀኑ ክዕዘብ ክኢሉ’ዩ። እዚኦም፡ ሓሓሊፉ በቶም እቲ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ወይ’ውን ኣብቲ ከባቢ ብዝነብሩ ሰባት ዝተቐድሑ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ፌስቡክ፣ ትዊተርን ዩትዩብን ናይ ባዕሎም መተሓዳደሪ ደንቢ ዘለዎምን ቢሊዮናት ተጠምቲ ዘለውዎምን ማሕበራዊ መራኸቢታት እዮም። ስለምንታይ ድኣ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝዝርግሑ ከምዚኦም ዝበሉ ቪድዮታት፣ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ጐንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታትን ክቈጻጸሩዎ ዘይኽኣሉ? እዚ ብዙሓት ዘልዕሉዎ ሕቶ እዩ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘለዎም ሰፊሕ ተበጻሕነት፡ ኣሉታዊ መልእኽታት ብቐሊሉን ኣብ ዝሓጸረ ግዜን ኣብ ኢድ ሚሊዮናት ከብጽሑ ይኽእሉ። እዞም ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከብጽሑ ዝኽእሉ መልእኽታት ቅድሚ ኣብ ኢድ እቶም ዝቈጻጸሩዎም ኣካላት ምብጽሖም፡ ናብ ብዙሓት ተጠቀምቲ ስለ ዝበጽሑ ሳዕቤን እቶም መልእኽታት ኣብ ሓጺር ግዜ ክርኣይ ይኽእል። ብፍላይ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ፖለቲካዊ ምርግጋእ ዘይብለን ሃገራት፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ንኣሉታዊ ዕላማ ዘውዕሉ ብዙሓት ተጠቀምቲ ኣለውወን። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ሞንጐ ውልቀሰባት፣ ሕብረተሰብን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዘሎ ርክባት ብምብልሻው ጎንጽን መጥቃዕትን ክዛይድ ሰፊሕ ዕድል ይፈጥሩ። ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ብሄር ተኰር መጥቃዕታት፡ ገለ ውልቀሰባት ጎንጽን ናዕብን ዘጋድዱ መልእኽታት ጠጠው ክብሉ ይጽውዑ ኣለው። ንሓደ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ ኣብ ቀረባ ዝተፈትሐ ኣቦ መንበር ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ጃዋር መሓመድ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ብምኻድ ምስ ኢትዮጵያውያን ይመያየጥ ኣሎ። እቲ ፖለቲከኛ ኣብ ዘመሓላልፎም መልእኽቲ፡ ኢትዮጵያውያን ብመገዲ ማሕበራዊ ሚዲያ ሓድሕድ ምቅትታል ካብ ምስባኽ ክቑጠቡ ይሓትት። ጃዋር፡ “ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ትግራዋይ ዝፍጸም ቅትለት ጠጠው ይበል ምባል ዝተለምደ ኰይኑ ኣሎ። እወ ጠጠው ይበል! ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ዝፍጸም ቅትለት ጠጠው ኣቢልካ ሞት ኣምሓራ ክቕጽል የብሉን። ናይ ኣምሓሩ ሞት ጠጠው ኣቢልካ ሞት ተጋሩ ክቕጽል የብሉን፡” ይብል። ንሱ ወሲኹ፡ “ኦሮሞ ይመውት እንተሃልዩ፡ ኣምሓራይ ይመውት እንተሃልዩ፡ ትግራዋይ ወይ ጉሙዝ ይመውት እንተሃልዩ፡ መን’ዩ ዝቐትል ዘሎ? ንሓድሕድና ንቀታተል ኢና ዘለና ማለት’ዩ፡” ኢሉ። እቲ ኣቦ መንበር፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብዩትዩብ ንዝረኽቡዎ ገንዘብ ክብሉ እቲ ህዝቢ መጥቃዕቲ ንኽፍጽም ካብ ምጉስጓስ ክቝጠቡ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ። “ምንም ዘይፈልጡ ህጻናትን ኣዴታትን እዮም ዝሃልቑ ዘለው” ይብል። ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ልዕሊ 120 ሚሊዮን’ዩ ተባሂሉ ይግመት። ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ዕድሚኦም ካብ 13 ክሳብ 24 ዓመት ዝዀኑ 24 ሚእታዊት’ዮም። ዳታ ሪፖርታል ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 30 ሚሊዮን ኢትዮጵያውያን፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ከም ዝዀኑ ይሕብር። እዚ ቝጽሪ ዓመታዊ ይዓቢ’ዩ ዘሎ። ኣብዚ ዓመት [2022] ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝርግሐ ኢንተርነት 25 ሚእታዊት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ከም ሮይተርስ ዝኣመሰሉ፡ ቑጽሪ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ዘጽንዑ ትካላት፡ ፈይስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ቍጽሪ ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ይገልጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2021፡ ቍጽሪ ተጠቀምቲ ፈይስቡክ ሸውዓተ ሚሊዮን ምዃኑ ይገልጹ። እዚ ማሕበራዊ ሚዲያ ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ንጎንጺ ዘተባብዑ መልእኽታት ክቈጻጸር ኣይክኣለን ዝብል ከቢድ ነቐፌታ ይቐርበሉ። ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ብኲናት ሓድሕድ ኣብ ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ፈይስቡክ፡ ጐንጺ ዘለዓዕል ትሕዝቶ ዘለዎም መልእኽታት ርእዮም ንላዕለዎት ሓለፍቶም እንተፍለጡ’ውን፡ እቲ ትካል ስጉምቲ ኣይወሰደን ክብሉ ወግዓዊ ክሲ ኣቕሪቦምሉ’ዮም። ፈይስቡክ፡ ኢትዮጵያ ሓደጋታት ግጭት ካብ ሞንጐ ዘንጸላለወን ሃገራት ኢሉ’ኳ እንተሰርዓ፡ ከምዚኦም ንዝበሉ መልእኽታት ዝቈጻጸር ኣካል እቲ ኩባኒያ ግን ተራኡ ብግቡእ ኣይፈጸመን ዝብል ተደጋጋሚ ነቐፌታ ይበጽሖ’ዩ። ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ዕጡቓት ጭካነ ዝመልኦም ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ኣብ ፈይስቡክ ይጥቅዑ ከም ዝነበሩ ገሊጹ ነይሩ። ንኩባኒያ ሜታ ትሰርሕ ዝነበረት ፍራንሲስ ሃውገን ኣብ ሰኔት ኣመሪካ ቀሪባ፡ ፈይስቡክ ኣብ ከም ኢትዮጵያን ሚያንማርን ዝበላ ሃገራት የፍርስ ኣሎ ክትብል ተዛሪባ። እዚ ዜና ብብዝሒ ምስተቓልሐ ፈይስቡክ ስጕምታት ክወስድ ከም ዝጀመረ ገሊጹ። ንኣብነት፡ እቲ ትካል ኣብ ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከቱ ልዕሊ 92 ሽሕ ትሕዝቶታት ፈይስቡክን ኢንስተግራምን ስጉምቲ ከም ዝተወስዶም ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ድማ “ኣብ ግብጺ ዝመደበሮም፡ ንኢትዮጵያ ዒላማ ዝገበሩ" ዝበሎም ገጻት ከም ዝዓጸወ ገሊጹ’ዩ። ይዅን’ምበር፡ ፈይስቡክ ዝወስዶም ስጕምታት እኹላት ኣይኰኑን፤ ሕጂ’ውን ብዙሓት ተጠቀምቲ ጎንጺ ዘለዓዕሉ መልእኽታት ብዘይዓጋቲ የሕልፉ ኣለው ዝብሉ ቅሬታታት ይስምዑ’ዮም። ሜታ፡ ከም ፈይስቡክን ኢንስተግራምን ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ ጎዳእቲ መልእኽታት ንኸይሓልፍ ኣበርቲዑ ከም ዝሰርሕ ይገልጽ። እቲ ትካል ነዚ ዝሰርሑ ትካላት ቘጺሩ’ዩ። ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ማእከሉ ዝገበረ ሳማ ሶርስ ዝተባህለ ትካል፡ ትሕዝቶ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፡ ትግርኛን ኦሮምኛን ዝመሓላለፉ መልእኽታት [content moderation] ይቈጻጸር። ሽማ ክግለጽ ዘየፍቀደት ሰራሕተኛ እዚ ትካል፡ ብፍላይ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ብፈይስቡክ ዝመሓላለፉ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ከም ዝወሰኹ ትዛረብ። “80 ሚእታዊት ትሕዝቶ እቶም ቍጽጽር እንገብረሎም መልእኽታት፡ ጎንጺ ዘለዓዕሉን ናይ ጽልኢ ዘረባታትን ዝሓዙ መልእኽታት እዮም” ትብል። ፈይስቡክ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ትሕዝቶ ዝመዝኑን ዝቈጻጸሩን ትካላት እንተሃለውዎ’ውን፡ እቲ ብሰለስቲኦም ቋንቋታት ዝሰርሕ ትካል 'ሳማ ሶርስ'፡ ነዚኦም ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ ከም ዘይብሉ እታ ወሃቢት ርእይቶ ተረድእ። ፈይስቡክ፡ ‘ሪፖርት’ ክግበረሉ እንከሎ ጥራይ መልእኽታት ከም ዝቈጻጸር ይግለጽ። ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ኔትዎርክ ሓበሬታ [ኢንሳ] ዶክተር ሹመቴ ግዛው ነዚ ምላሽ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ኣካል ዓለምለኻዊ ዲጂታላዊ ማሕበረሰብ ከም ምዃና መጠን፡ ግዳይ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝዝርግሑ ግጉያትን ጐንጺ ዘለዓዕሉን መልእኽታትን ኰይና እያ ይብል። በዞም መገዲታት ዝመሓላለፉ መልእኽታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ንዝለዓሉ ግጭታትን ንዕኡ ስዒቦም ዝበጽሑ ዘለው ምዝንባልን ምጥፋእ ህይወት ሰብን እጃም ከም ዘለዎም ዶክተር ሹመቴ ግዛው ተዛሪቡ። እዚ “ንኢትዮጵያ ስግኣት’ዩ” ዝብል እቲ ዳይሬክተር ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ዘለው ግጉያትን ጐንጺ ዘለዓዕሉን መልእኽታት ንምቍጽጻር ዝሰርሑዎም ስርሓት ምህላዎም ይጠቅስ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝተዋፈሩ መነ መን’ዮም? እቲ ዝጥቀምሉ ኣካውንት እንታይ’ዩ? እቲ ዝጥቀምሉ ኣካውንት እንታይ’ዩ? ዝብሉ ብምፍላይ ትኽክለኛ ዘይኰነ መረዳእታ ሒዙ መልእኽታት ዝዝርግሕ ኣካል ናብ ሕጊ ክቐርብ ከም ዝግበር የረድእ። ናይ ሓሶት ኣካውንታት ስለ ዝበዝሑ፡ ኣብቶም ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝግዝኡሎም መትከላት መሰረት ክዕጸው ወይ ክእገዱ፣ እቶም ዝሓዙዎም መልእኽታት ክወርዱ ወይ ክጠፍኡ ምስቶም ኩባንያታት ቴክኖሎጂ [ጉግልን ፈይስቡክን] ብሓባር ከም ዝሰርሑ’ውን ዶክተር ሹመቴ ይገልጽ። “ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እንርእዮም ሰባት ተኸፈልቲ ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም [ንኣብነት ዩትዩብ]። እዚኦም ብዛዕባ ምጥማይ ተጋሩ፣ ምጉስቛል ኦሮሞ ወይ ሞት ኣምሓሩ ኣይግድሶምን። እኳ ደኣ ንህዝቢ ኣጋጭዮም ብዛዕባ ዝረኽብዎ ገንዘብ ዝጭነቑ ስለ ዝዀኑ፡ እቲ ሕብረተሰብ ነዚ ንኽፈልጥን ኣብ ፍልጠት ዝተመስረት ኣጠቓቕማ ክህልዎን ኢና ንሰርሕ” ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ንእከይ ተግባራት ብምውዓል ዝንቡዕ ሓበሬታን ናይ ጽልኣት ዘረባን ንምትሕልላፍ ምጥቃምን ተሓተትቲ ዝገብር፣ ግጉይ ሓበሬታን ናይ ጽልኣት ዘረባን ዝኽልክል ኣዋጅ ከም ዝወጽአ ይዝከር። ኣብቲ ኣዋጅ ካብ ዝሰፈሩ ናይ ጽልኣት ዘረባ ብብሮድካስተ፡ ብሕትመት ወይ ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣገባባትን ተጠቒምካ ምትሕልላፍ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርትን 100 ሽሕ ብር ናይ ገንዘብ መቕጻዕትን ከም ዘስዕብ ተጠቒሱ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ሓበሬታ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ተኸተልቲ ብዘለውዎ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተመሓላለፈ እንተዀይኑን ጉድኣት እንተወሪዱን እቲ መቕጻዕቲ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግለጽ። ብዙሓት ሰባት፡ እዚ ሕጊ'ዚ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዘይጥፍኣቶም ክእሰሩ ዝገብር እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተወስዱ “ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ”፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዝነበሩ ይዝከር። ጐንጺ ዘለዓዕሉን ግጉያት ሓበሬታታትን ከመሓላልፍ ዝተረኽበ ናይ ፈይስቡክ፡ ትዊተርን ዩትዩብን ገጽ፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ይቕጻዕ’ዩ ዝብል ዶክተር ሹመቴ፡ እቲ ትካል [ኢንሳ] ከምዚኦም ዝበሉ ኣካውንታት ክእገዱ ከም ዝከታተልን ከም ዝምርምርን ንቢቢሲ ገሊጹ። ሚዲያን ኮምዩኒኬሽንን ዘጽንዐት ኣብ ሞያ ሕጊ ተዋፊራ ዘላ ወይዘሮ ነጻነት ወልደገብርኤል፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዝርግሑ መልእኽታትን ምስልታትን ካብ ሞንጐ ዘተሓሳስቦም ሰባት ሓንቲ እያ። ነዚ ድማ፡ ኣብ ሞንጐ ፖለቲካዊ ሓይልታት እታ ሃገር ዘሎ ምትፍናን ዓብዪ እጃም ከም ዘለዎ ብምግላጽ “ፖለቲከኛታት ከምዚ ዓይነት ጽልእን መጥቃዕትእ ዘተባብዑ መልእኽታት ብወግዒ ክቃወሙን ክኹንኑን ኣለዎም” ትብል። ገሊኦም፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰፊሕ ቑጽጽር ክገብር እንትብእስ ድማ ክዓጽዎ ከም ዝሓቱ እትገልጽ ወይዘሮ ነጻነት፡ ይኹን’ምበር ሰናይ ተግባራት ንምስፋሕ ነዞም ኣማራጺታት ንዝጥቀሙ ብምትብባዕ “እቶም ንኽፍኣት ዘውዕሉዎ ምድኻም ይክኣል’ዩ” ኢላ። ምህዞ፡ ንከባቢኡ ኤሌክትሪክ ዘመንጨየ ኢትዮጵያዊ ተመሃራይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ዝርከብ ሓደ ተመሃራይ 8ይ ክፍሊ ካብ ባዮጋዝ ኤሌክትሪክ ብምምንጫው ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ብርሃን ክረኽባ ገይሩ። ኣዳን ሑሴን ዲዳ ኣብቲ ዞባ ቱላ ዌብ ዝተባህለ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ከም መገዲ፣ ሆስፒታልን ኤሌክትሪክን ዝበሉ ጸገማት መሰረታዊ ኣገልግሎት ነበርቲ እቲ ኸባቢ ንምቅላል ከም ዝሓስብ ተዛሪቡ። እዚ ፕሮጀክት ድማ ኣብ ገደና ወለዱ ክልተ ሜትሮ ጉድጓድ ብምኩዓት ዒባ ከፍቲ ብምብስባስ ከም ዝጀመሮ ሓቢሩ። ካብዚ ንሸሞንተ መንበሪ ገዛ ዝኸውን ኤሌክትሪክ ከመንጩ እንከሎ ወርሓዊ 0.87 ዶላር የኽፍሎም። ነበርቲ እቲ ከባቢ መብዛሕትኦም ኣርባሕቲ እንስሳ ኮይኖም ህይወቶም ኣብተን ጥሪት ዝተሞርኮዘ’ዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ሓያል ደርቂ ጥሪት እናተጎድኣ ዝበዝሑ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝርከቡ’ዮም። ስድራ ኣዳን ድማ ካብቲ ወዶም ዝሰርሖ ኤሌክትሪክ ዝረኽቦ ገንዘብ ይሕገዙ ኣለው። “ክሳብ ሕጂ ብዘዐወትኹዎ ነገር ሕቡን’የ፤ ንላምባዲናን ባትርን ዘውጽኡዎ ዝነበረ ገንዘብ ከም ዘሕወኹዎም ይነግሩኒ። ደቆም ሕጂ ወጊሑ ኣብ ብርሃን ዕዮ ገዛ ክሰርሑ ዝጽበዩ መብራህቲ ገይሮም ኣብ ገዝኦም ከንብቡ ይኽእሉ” ኢሉ። መምህሩ ቦሩ ሶራ ብወገኑ ፕሮጀክት ኣዳን ናብ ካልኦት ቦታታት እቲ ከባቢ ንምስፋሕ ድልየት እኳ እንተሃለዎ ጸገም መገዲ ብምህላዩ ግን ናብ ከተማ ኸይዱ ዘድልዮ ናውታት ክዕድግ ከም ዘጸግመሉ ተዛሪቡ። “መሃዛይ ቖልዓ’ዩ። ካብ ባዮጋዝ ብተወሳኺ ሬድዮን ካልኦት ኤሌክትሮኒክስን ጸጊኑ 100 ሜትሮ እትበርር ነፋሪት ሰሪሑ’ዩ” ኢሉ። ኣዳን ኻልኦት ተመሃሮ’ውን ናይ ባዕሎም ፕሮጀክታት ሒዞም ክመጽኡ ምንቕቓሕ ክፈጥር ክኢሉ። ኣብ ቦረና ኣብ ዝርከብ ኒቨርሲቲ ያቤሎ ድማ ኢንጅነሪንግ ከጽንዕ ከም ዝደሊ ንቢቢሲ ገሊጹ። ቻይና፡ ኣብ ኣንኣሽቱ ከተማታት 'ሰማይ ጠቀስ' ህንጻታት ከይስርሑ ከልኪላ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኣንኣሽቱ ከተማታት ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻታት ከይህነጹ ከልኪሉ። በዚ ሕጂ ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ፡ ዝኾነት ትሕቲ 3 ሚልዮን ነባሪ ዘለዋ ከተማ ቻይና ልዕሊ 150 ሜትሮ ቁመት ዘለዎም ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻ ክትሃንጽ ኣይክፍቀዳን እዩ። ልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጠን ከተማታት ኸኣ ብተመሳሳሊ ልዕሊ 250 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ 'ሰማይ ጠቀስ' ህንጻ ከይሃንጻ ተኸልኪለን ኣለዋ። ኣብ ቻይና ብሓፈሻ ኣብ ዝኾነት ከተማ ልዕሊ 500 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ህንጻ ከይህነጽ ዝኽልክል ሕጊ ኣቐዲሙ ወጺኡ ነይሩ እዩ። ቻይና ኣዝዩም ብዙሓት ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻታት ዘለዉዋ ሃገር ኮይና፡ ኣብ ሻንግሃይ ዝርከብ 632 ሜትሮ ቁመቱ ሻንግሃይ ታወር፡ ኣብ ሸንዘን ዝርከብ 599.1 ሜትሮ ቁመቱ ህንጻ ፒንግ ኣን ፋይናንስ ሴንትር ገለ ካብቶም ነዋሕቲ ህንጻታት እዮም። ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ከም ብዓል ሻንግሃይን ሸንዘንን ዝኣመሰላ ከተማታት ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻታት ከምዘድልዩ'ኳ እንተሓበራ፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት ግን ሕጽረት ናይ መሬት ስለዘየለ መንግስቲ ከምዝኸልከሎ ኣቃሊሐን። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ሸንዘን ዝርከብ 350 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ኤስኢጂ ፕላዛ ዝተብሃለ ሰማይ ጠ'ቀስ ህንጻ ብሃንደብት ነዝነዝታ ምስ ኣስመዐ፡ ሰባት እናተሰቓቐጡ ከምዝወጽኡ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ቻይና በቶም 'ንጃህራ'ዮም ተሰሪሖም' ዝብሃሉ ነዋሕቲ ህንጻታት ብዙሕ ግዜ ናይ ናይ ገንዘብ ብክነት ኣጋጢምዎ እዩ። ኣብ ውድድር ብሽክሌታ ብሩር መዳልያ ዝተዓወተ ወዲ 99 ዓመት ሽማግለ ኬኔዝ ጁድ ወዲ 99 ዓመት ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ግን ድማ ኣብ ውድርር ብሽክለታ ቱር ዴ ፎርስ ይወዳደር ኣሎ። እዚ በዓል ጸጋ ዕድመ ሰብኣይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዕዱማት ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ውድድር ብሽክለታ ብሩር መዳልያ ተዓዊቱ። ኣብዚ ውድድር ካልኣይ ኮይኑ ንምዝዛም ንልዕሊ 26 መዓልታት 3770 ኪሎ ሜትሮ ብሽክሌታ ዘዊሩ። ብማእኸላይ ገምጋም ኣብ 24 ሰዓታት ልዕሊ 114 ኪሎ ሜትሮ ይሽፍን ነይሩ። እዚ ርሕቐት መብዛሕትኦም መናእሰያት ኣብ መዓልቲ'ውን ክሽፍንዎ ኣይክእሉን እዮም። ንሱ ሳይክል ክዝውር እንከሎ፡ ኣብ ሰሜን ኢንግሊዝ ኣብ እትርከብ ተወሊዱ ዝዓበየላ ዮርክሺር ዘለው ጽምዋ ብዝዓሰሎም ጽርግያታት ይምሰጥ ነይሩ። ንዝሓለፉ ዓመታት ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ናይ ልምምድ ብሽክለታ ተጠቒሙ ምንቅስቓስ ክገብር ጸኒሑ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኣብዚ 'ሮድ ወርልድ ፎር ሲኒየርስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተሳቲፉ። እዚ ውድድር ንኣረጋውያንን ናይ ምርሳዕ ጸገም ዘለዎን ዝዳሎ ኮይኑ ብትካል ኖርወይ ዝኾነ ሞቲቴክ ዝፈረያ ብሽክለታታት ይጥቀሙ። እዘን ብሽክሌታታት ምስ ላፕቶፕ ወይ ኮምፒዩተር ዝተራኸባ ኮይነን፡ ምስ ቴሌቪዥን ወይ መቆጻጸሪ ኣካል'ውን ብቀሊሉ ክገጥማ ይኽእላ እየን። እዚ ድማ እቶም ተወዳደርቲ ኣብ ዘሽከርክርሉ እዋን ምንቅስቓሶም ኣብ ስክሪን ንክርእዩ ይሕግዞም። እዚ እቶም ተጠቀምቲ ብሙዚቃ ዝተዓጀበ ምስሊ ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ዝነበሩ ጎዳናታት፣ ጽርግያን ካልእን ብምርኣይ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ምንቅስቓስ ንክገብሩ ንምሕጋዝ ዝዓለመ'ዩ። እቲ ናይዚ ዓመት ውድድር 'ሮድ ዎርልድ ፎር ሲኒየርስ' ካብ 6 መስከረም ክሳብ ሓደ ጥቅምቲ 2021 ዝተኻየደ ኮይኑ እቲ ኣብተን ብሽክሌታ ዝተገጥመ ስርዓት ዓቐን እቶም ተወዳደርቲ ዝኸዱዎ ርሕቐት መዝጊቡ ሒዙ። ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ፓይለት ዝነበረ ጁድ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር መበል ሻብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ነይሩ። እዚ በዓል ጸጋ ዕድመ ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን ከይዓገቶ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ነዚ ዓመት ንዝካየድ ውድድር ምድላው ክገብር ጸኒሑ። "ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸ ነገር ክገብር ስለ ዝደለኹ መዓልታዊ ኣብ ሰዓት ብኪሎ ሜትራት መዲበ ልምምድ ይገብር ነይረ። እዚ ድማ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ዘይብሉ፡ ምሸት ወይ ንጉሆ ገስጊሰ እየ ዝገብሮ" ይብል። ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ መሐብሐቢ ኣረጋውያን ኣተሓባባሪት ጥዕና ዝኾነት ሊንዲ ራናድ እዚ ውድድር "ንኣእምርኦም፣ ኣካሎምን ነፍሶምን ጽቡቕ'ዩ" ትብል። ዋላ'ውን ኣረጋውያን ኣብ ቴክኖሎጂ ጽግዕተኛ ክኾኑ ዝድለ እንተዘይኮነ፡ ከጋጥሞም ዝኽእል ጽምዋ፣ ጸገም ጥዕናን ድሕነትን ንምቅላል ዝሕግዙዎም ብዙሓት ቴክሎጂታት ግን ይፈርዩ ኣለው። ኣፕል፡ ኩባንያ ቴክኖሎጂ እስራኤል ንዓማዊሉ ከምዝሰለለ ኣፍሊጡ ኣፕል ኤንኤስኦ ግሩፕ [NSO Group] ዝተባህለ ኩባንያ ቴክኖሎጂ እስራኤል ንዓማዊለይ ዒላማ ብምግባር ክስርስር ፈቲኑ ክብል ከሲሱ። ኩባንያ ኤንኤስኦ ግሩፕ [NSO Group] ዘፍርዮ ናይ ስለላ ሶፍትዌር ፔጋሰስ፡ ንስልክታት ኣይፎንን ኣንድሮይድን ዘጥቅዕ ኮይኑ፡ ሓፀርቲ ናይ ፅሑፍ መልእኽትታት፣ ስእልታትን ኢመይላትን ንምስርሳርን ናይ ስልኪ ወግዕታት ንምጥላፍን ከምኡ'ውን ብሚስጥር ካሜራታትን መቕድሒ ድምጺ ንምኽፋትን ዝተዳለወ'ዩ። ኤንኤስኦ ግሩፕ ግና፡ ንግብረ ራዕዳውያንን ገበነኛታትን ዒላማ ከም ዝገበረ'ዩ ዝገልፅ። እንተኾነ ፔጋሰስ፡ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝርከቡ ተሓለቕቲ መሰላት፣ ጋዜጠኛታትን ጠበቓታትን ዒላማ ዝገበረ እዩ ብዝብል እዩ ዝኽሰስ። ኩባንያ ኤንኤስኦ ግሩፕ [NSO Group]፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ፅቡቕ ታሪኽ ንዘለወን ሃገራት ንወተሃደራዊ ዕላማ፣ ሕጊ ንምኽባርን ንትካላት ስለያን ፔጋሰስ ከም ዘቕርብ ይገልፅ። እንተኾነ ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ እቲ ሶፍትዌር "መንግስታት ወፃኢ ዓለምለኻዊ መፅቀጥቲ ክገብሩ ፈቒዱ'ዩ፤ እዚ ድማ ውልቀ መለኽቲ መንግስታት ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ፣ ጋዜጠኛታትን ነጠፍትን ዝትግብርዎ'ዩ" ብምባል፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ነቲ ትካል ኣብ ፀሊም መዝገብ ኣስፊረምዎ'ዮም። ኩባንያታት ማይክሮሶፍት፣ ሜታ፣ ኣልፋቤትን ሲስኮ ሲስተምን ነቐፌታ ድሕሪ ምቕራቦም'ዩ፡ ኣፕል ንኤንኤስኦ ግሩፕ ከሲስዎ ዘሎ። ኣፕል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣሓት ኩባንያታት ኤንኤስኦ ግሩፕን ኦኤስዋይ ቴክኖሎጅን ንዓማዊል ኣፕል ዒላማ ብምግባሮም ተሓተትቲ ክኾኑ ይግባእ ኢሉ። ኣብ ዓማዊሉ ከምዚ ዓይነት ግህሰትን ሃሰያን ንምክልኻል ድማ፡ ኩባንያ ኤንኤስኦ ዝኾነ ዓይነት ምህርቲ ኣፕል ከይጥቀም ይተኣገድ ይብል። ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከብ ቤት ፍርዲ ክሱ ዘቕረበ ኣፕል፡ ኤንኤስኦ "ኣብ ሞባይላት ዜጋታት ኣሜሪካ ስፓይዌር ብምትካል ሰልዩ" ኢሉ። ኤንኤስኦ ንዓማዊል ኣፕል ንምጥቃዕ ልዕሊ 100 ስኑዓት መዝገብ መለለይ ኣፕል ከም ዝፈጠረ ድማ ገሊፁ። ዋላ'ኳ እቲ ኩባንያ ንዓማዊል ኣፕል ንምስርሳር እንተፈተነ፡ ሰርቨር ኣፕል ከም ዘይተተንከፈ'ውን ኣፍሊጡ። ኤንኤስኦ ግሩፕ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ፡ "ምስጋና ንኤንኤስኦ ግሩፕ ቴክኖሎጂ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ካብ ሞት ድሒኖም'ዮም። ንሓቂ ምድጋፍ ድማ ክንቅፅለሉ ኢና" ዝብል ግብረ መልሲ ሂቡ። ኢትዮጵያ፡ ‘ኦፕያን’ ተስፋ ዝህብ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ ጥዕና ዘልኣለም ግዛቸው፡ መስራትን ሓላፍን እቲ ብ2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውⶂጳ] ዝተጣየሰ ኦፕያን ቴክ እዩ፤ እቲ ትካል 21 ሰራሕኛታት ዘለዎ ኮይኑ እተን 8 ደቂ ኣንስትዮ እየን፡፡ ኦፕያን ቴክ ዝተጣየሰሉ ዕላማ ማእከላት ጥዕና ብቐሊሉ ምርካብ ኣብ ዘይከኣለሎም ከባቢታት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣገልግሎት ጥዕና ንምብጻሕ እዩ፡፡ ዘልኣለም ግዛቸው ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ናብ ዓውዲ ሕክምና ተዛዊሩ ቴክኖሎጂ ምርመራ ቤተፈተነ [ላባራቶሪ] ከጽንዕ ወሲኑ። ምስ ተመረቐ ድማ ኣብ ኢንዳስትሪ ጥዕና ናይ ክኢላ ቤተፈተነ ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካብ ኣዲስ አበባ ወጻእን ኣገልጊሉ፡፡ ውሽጡ ንዳታ ኣናሊስስ፣ ቴክኖሎጅን ሶፍትዌር ኣናሊስስን ቅርበት ከም ዝነበሮ ይገልጽ፡፡ ጎና ጎኒ ዝሰርሐሉ ዓውዲ ድማ ብምሸታዊ ኮምፒዩተር ሳይንስ ተማሂሩ፤ ክልቲኡ ዓውዲታት ብምዝማድ ንኢንዳስትሪ ጥዕና ዝሕግዝ ነገር ብመልክዕ ቴክኖሎጂ ንምቕራብ ወሲኑ ከኣ ኦፕያን ቴክ ከፊቱ፡፡ ‘‘ኣብቲ እዋን ክልተ ዘይራኸቡ ዓውዲታት ትምህርቲ ኣዛሚድካ ምስራሕ ዝተለመደ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ኣጋጣሚ ምስ ተርኣየኒ ስቕ ኢለ ክሓልፎ ኣይደለኹን ነይረ፡፡ ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ኮነ ኢለ ንኽልቲኦም ትምህርቲታት ዘዛምዱ ስራሕቲታት ብምድላይ ምስራሕ ጀሚረ’’ ይብል፡፡ ኦፕያን ቴክ እንታይ እዩ? ኦፕያን ቴክ ኣብ ውሽጢ ኣገልገሎት ጥዕና ሓደ ማእከል ዘድልዮ መሳርሒ፣ በዓል ሞያን በጀትን ቀዲምካ ብምግምጋም ጉድለት ዘለዎ ኣቐዲሙ ብምፍላይ ዘማልእ ስርዓት እዩ፡፡ ሶፍትዌር ‘ኦፕያን ቴክ’፡ ሓደ ናይ ጥዕና ማእከል ክሳብ ሰለስተ ዓመት ዝህቦ ኣገልግሎት፡ ናይ ተሓካሚ ቁጽሪ ወሲኹ ንምትንባይ ዘኽእል ‘ኣርቴፍሻል ኢንተለጀንስ’ ከም ዘለዎ ዘልኣለም የረድእ፡፡ እዚ ድማ ነቲ ማእከል ዘመሓድር ኣካል እቲ መረዳእታ ብምጥቃም ብዓቕምን ቀረብን ንምውዳድ ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ይሕግዝ፡፡ ኦፕያን ቴክ ዘምጽኦ መፍትሒ እንትገልጽ ድማ ‘‘ምስ ኣቑሑት፣ መድሓኒት፣ ዕድጊት ናውታትን ቀረብን ተኣሳሲሩ ኣቐዲምካ ክሕሰበሎም ዝግብኡ ነገራት ክቐርፍ ከም ዝኽእል ኣይጠራጠርን’’ ይብል፡፡ ብተወሳኺ ‘‘ክሳብ ሕዚ ንማእከላት ጥዕና ዘድልዩ ዕድጊታት ብሰብ'ዮም ዝካዱ። ልዕሊ እቲ ዝድለ ዓቐን ዝተገዝኡ ኣፋውስ ኣብ ጥቕሚ ከይወዓሉ መዓልቶም ሓሊፉ ዝጎሓፉሉ ኩነታት ምርኣይ ዝተለመደ እዩ፡፡ እዚ ብኽነት ገንዘብን ንብረትን እዩ ዘስእብ። ብተዛማዲ ድማ እኹል ብዘይኮነ መጠን ይእዘዝ እሞ፡ ክግልገሉ ዝመጽኡ ተሓከምቲ ይተኣጓጎሉ" ክብል ኦፕያን ንኸምዚኦም ዝበሉ ጸገማት ዝዓብስ ምዃኑ የረድእ። ኦፕያን ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝስራሕ ናይ ትልሚ ዕዮ ናይ ምስላጥ ዕላማ እውን ኣለዎ፡፡ ብሚኒስትሪ ጥዕና ካብ ሓድሕድ ከባቢ ዝእከቡ ሓሬታታት ጥዕና ዝእከቡሉ መገዲ ብምስላጥ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስራሕ ብዘይስሕተት ንምውጋን ኣማራጺ ከም ዝህብ ብምግላጽ፡ ከምዚኦም ዓይነት ውጽኢታት ቴክኖሎጂ ብተመጣጣኒ ዋጋ ብቐሊሉ መፍትሒ ከምጽኡ ከም ዝኽእሉ ይሕብር፡፡ ንሱ ኦፕያን ቴክ እንትኸፍት፡ ጸገማት ማእከላት ጥዕና ብሓገዝ ቴከኖሎጂ ንምፍታሕ ይሕሰብ እምበር ‘‘እዚ ቴክኖሎጂ ንኹሎም ጸገማት ግልጋሎት ጥዕና ይፈትሕ ማለት ግን ኣይኮነን’’ እዩ ዝብል፡፡ ምኽንያቱ ድማ ከም ናይ ኢንተርነትን መብራህትን ዝበሉ ምቁራጻት ስራሕቶም ስለ ዘተኣጓጉሎም ምዃኑ ይጠቅስ፡፡ ኣብ መጀምርታ ከም ኦፕያን ዝበሉ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ከውዕሉ፡ ኢንተርነትን ንሓድሕዱ ክናበብ ዝኽእል ዝተዘርገሐ ኔትርዎርክን ስለ ዘድልዮ ናይ መብራህቲ ጸገም ኣብ ዘለዎ ከባቢ ወይ መብራህቲ ኣብ ዝጠፍአሉ ግዜ ስርሑ ዘቋርጽ ብምዃኑ ከቢድ ዕንቅፋት ኮይኑዎም ከም ዝነበረ ይዛረብ፡፡ ነዚ ካልእ መፍትሒ ኣናድዮምሉ። "መረዳእታ ምስ ተዋህበ መብራህቲ እንተጠፊኡ፡ መብራህትን ኢንተርነትን ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ቀልጢፉ ብምርኻብ ክናበብ ከም ዝኽእል ጌርናዮ፡፡ ብተወሳኺ መብራህቲ'ኳ እንተዘይተመሊሱ ብናይ ሞባይል ኔትወርክ ተጠቒምና ኣብ ሰሙን ሓደ ግዘ ክናበብ ጌርናዮ ኢና’’ ኢሉ። እቲ ቴክሎጂ ኣብቲ ስርዓት ዝተመዝገቡ መሳርሕታት እንትበላሸዉ ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምታት ይሕብር፤ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዘጋጥሙ ናይ 'ሃርድዌርን ሶፍትዌርን' ጸገማት ናይ ምፍታሕ ዓቕሚ እውን ኣለዎ፡፡ ኦፕያን ቴክኖሎጂ ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፡ ምስ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሪካ [ዩኤስኤይድ] ብምትሕብባር ናብ 23 ሃገራት ክስፋሕፋሕ ከም ዝተገበረ ዘልኣለም ሓቢሩ፡፡ ኢስዋቲኒ፣ ርዋንዳ፣ ካሜሩን፣ ኮትዲዩቫር፣ ስዋዚላንድ፣ ቦትስዋናን ሌሴቶን ካብተን እቲ ቴክኖሎጂ ኣገልግሎት ዝህበለን ሃገራት ይጥቀሳ። እዚ ተሞክሮ ናብ ካልኦት ሃገራት እውን ናይ ምግፋሕ ድልየት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ቅድሚ ሕዚ ኣብ ታይላንድ ንሃገራት ደቡብ እስያ ስልጠና ከም ዝሃቡን፡ እተን ሃገራት እቲ ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ንምግባር እንትውስና ብቐሊሉ ተግባራዊ ንምግባር ከም ዝሕግዞምን ኣብሪሁ፡፡ ዘልኣለም ከም ዝሕብሮ ውጽኢታት ሕክምና ኣብ እዋኖም ንምብጻሕ ሲምካርድ ዝቕበል ፕሪንተር ዲዛይን ገይሮም እዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ፍልጠት፣ ዓቕምን ክእለትን ዘለዎም መናእሰይ ምርካብ ከም ዘጸግመሎም ዝሕብር እዚ በዓል ሞያ ‘‘ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ፡ እናሰልጠናን እናተኸታተልናን ምስ ተመረቑ እንቖጽሮም መናእሰይ ኣለዉ’’ ኢሉ፡፡ ጆን ማካፊ፡ መሃዚ ጸረ-ቫይረስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ተረኺቡ ቤት ፍርዲ ስፔን ኣብ ኣመሪካ ብምትላል ግብሪ ክሲ ንዝቐርበሉ መሃዚ ሶፍትዌር ጸረ-ቫይረስ ጆን ማካፊ ኣሕሊፉ ንምሃብ ምስ ወሰነ ድሕሪ ሰዓታት፡ ማካፊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ባርሴሎና ሞይቱ ተረኺቡ። ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ካታሎኒያ ሓካይም ከትርፉዎ'ኳ እንተፈተኑ ከምዘይሰመረሎም ገሊጹ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ መግለጺኡ ማካፊ ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፈጸመ "ኩሉ ነገር የመላኽት" ኢሉ። እዚ ኣብ ቴክኖሎጂ ዓለም ኣዘራራቢ ዝነበረ በዓል ሃብቲ ዝውንኖ ኩባኒያ፡ ፈላሚ ሶፍትዌር ጸረ-ቫይረስ [McAfee VirusScan] ከተኣታቱ እንከሎ፡ እቲ ሶፍትዌር ኢንዳስትሪ ኮምፒዩተር ብቢሊዮን ዶላር ንክዓቢ መገዲ ከፊቱ'ዩ። ጸረ ቫይረስ ማካፊ፡ ንሓደ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ብልዕሊ 7.6 ቢሊየን ዶላር ተሸይጡ ነይሩ። ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020፡ ጆን ማካፊ፡ ኣብ ቱርኪ ንክኸይድ ናብ ነፋሪት እናተሰቐለ እንከሎ'ዩ ብፖሊስ ስፔን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ፡ ማካፊ ዝረኽቦ መኽሰብ ንመንግስቲ ግብሪ ኣይከፈለሉን ኢሉ'ዩ ክሲ መስሪትሉ። ብተወሳኺ ጃልባን ህንጻታትን ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ንብረትን ሃብትን ብሽም ካልኦት ሰባት ሓቢኡ ተባሂሉ ይኽሰስ። በዚ ምኽንያት ትማሊ ንጉሆ ቤት ፍርዲ ስፔን እቲ ውልቀሰብ ናብ ኣመሪካ ተመሓላሊፉ ክወሃብ ወሲኑ ነይሩ። ኣብ ቀረባ ዓመታት ጆን ማካፊ ንዕኡ ንምእሳር ውዲት ነይሩ'ዩ ክብል'ኳ እንተጸንሐ፡ ቤት ፍርዲ ስፔን ግን ብፖለቲካዊ ወይ ስነ ሓሳባዊ ፍልልይ ምእሳሩ "ዘረጋግጽ መረዳእታ የለን" ምባሉ ጋዜጣ ስፔን ዝኾነት ኤል ፔስ ጸብጺባ። ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝነበሮ ቖጸራ ቤት ፍርዲ እቶም ዝቐረብሉ ክስታት ፖለቲካዊ ከም ዝኾኑ ብምግላጽ ናብ ኣመሪካ እንተተመሊሱ ንሕልፈት ክእሰር ከምስኽእል ተዛሪቡ ነይሩ። ጠበቕኡ ኒሻይ ሳናን ኩሎም ክስታት ከም ዝቃወሞም ብምግላጽ "መንግስቲ ኣመሪካ ንጆን ማካፊ ከጥፍእ ይጽዕር ኣሎ። እዚ ሰብ ተቓላሲ ነይሩ፤ ኣብ ልቢ ኩሎም ዝፈልጡዎ ሰባት ከኣ ተቓላሲ ኮይኑ ክቕጽል'ዩ" ክብል ትማሊ ተዛሪቡ። እቲ በዓል ሃብቲ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክውለድ እንከሎ ንሱን ኩባንይኡን ብ1980ታት ብዘላለዮ ሶፍትዌር ጸረ ቫይረስ ዝኾነ ማካፊ [McAfee VirusScan] ተፈላጥነት ረኺቦም። ሓደ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ዋላ'ውን ነዚ ሶፍትዌር እንተመሃዘ ንሱ ግን ኣብ ኮምፒዩተሩ ንማካፊ ይኹን ካልእ ሶፍትዌር ተጠቒመ ኣይፈልጥን ኢሉ ነይሩ። ካብ 2016 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ከኣ ኣብ ኣመሪካ ሕጹይ ሰልፊ ናጽነት ኮይኑ ኣብ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ክወዳደር ፈቲኑ፤ ኣይሰመረሉን። ብ2019 ኣብ ትዊተር "ግብሪ ዘይሕጋዊ" ስለ ዝኾነ ንሸሞንተ ዓመታት ግብሪ ከፊለ ኣይፈልጥን ክብል ጽሒፉ ነይሩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ከኣ ናብ ዶመኒካን ሪፐብሊክ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ከእቱ ፈቲኑ ብዝብል ንሓጺር እዋን ተኣሲሩ።ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ስራሕቲ ምምኻር፣ መደረታት፣ ድጅታላዊ ባጤራ ክሪፕቶካረንስን ካልእን ዝረኸነቦ ኣታዊታት ግብሪ ኣይከፍልን'ዩ ነይሩ ተባሂሉ'ዩ ብኣመሪካ ክሲ ቐሪብሉ። ጄፍ ቤዞስ ናብ ወርሒ ዝግበር ጉዕዞ ንምቁጽጻር ክልተ ቢሊየን ዶላር ኣቕሪቡ ሃብታም ዓለምና ጄፍ ቤዞስ ናብ ወርሒ ዝግበር ጉዕዞ ንምቁጽጻር ንናሳ ክልተ ቢሊየን ዶላር ክኸፍል መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ናሳ ኩባኒያ ቤዞስ ዘቕረበሉ መጠን ገንዘብ ነጺጉ ምስ ትካል ኢለን መስክ ናይ 2.9 ቢሊየን ዶላር ውዕሊ ከምዝኣተወ ይዝከር። ሕጂ ቤዞስ ዘቕርቦ ዘሎ ገንዘብ ናብ ወርሒ እትጉዓዝ መንኮርኩር ንምስራሕ ምስ ናሳ ውዕል ንኽኣቱ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝኾነ ይግለጽ ኣሎ። እታ ናብ ወርሒ እትጉዓዝ መንኮርከር፡ ጠፈርተኛታት ሒዛ ኣብ 2024 ክትጉዓዝ እያ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ ናሳ ቅድሚ ሕጂ እዚ ስራሕ ንክልተ ኩባኒያ ዘይኮነ ንሓደ ኩባኒያ ጥራሕ ከይሃቦ ኣይተርፍን ይብሃል። እቲ ትካል ኣብ ወርሒ ዝዓርፈሉ 3.3 ቢሊየን ዲላር ክህቦ ንኮንግረስ ኣመሪካ እኳ እንተሓተተ ክሳብ ሕጂ ግን 850 ሚሊየን ዶላር ጥራይ እዩ ተዋሂቡዎ። ቤዞስ ናብ ኣመሓዳሪ ናሳ ቢል ነልሰን ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ “ብሉ ኦሪጅን [ትካል ቤዞስ] ናብ ወርሒ ዝግበር ጉዕዞ ንምሕጋዝ ክሳብ ክልተ ቢሊየን ዶላር ገንዘብ ከውጽእ ፍቓደኛ’ዩ” ኢሉ። ኣብቲ ቅድም ኢሉ ዝተኻየደ ሕርያ ናሳ ዘለዎ ባጀት ክልተ ኩባኒያታት ካብ ምምራጽ ከም ዝኣገዶ ተገሊጹ ነይሩ። ብተወሳኺ ናሳ እቲ ጨረታ ንትካል ኢለን መስክ ዝኾነ ስፔስኤክስ ዝሃበሉ ምኽንያት ቅድም ኢሉ ዝነበሮ ተልእኾ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ምባሉ ይዝከር። እቲ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ስርሑ ከምዝተጓናደበ ዝመስል ናሳ፡ ጨረታ ኣብ ዘውጽኣሉ ግዜ ትሑት ገንዘብ ንዘእተወ ትካል ኢለን መስክ ከም ዝሃቦ ይፍለጥ። ብመሰረት እዚ ትካል፤ ኢለን መስክ ዝኾነ ስፔሴክስ ዘፍርያ መንኮራኹር ጠፈርተኛታት ሒዛ ናብ ወርሒ ክትጉዓዝ እያ። እዚ መደብ ብ1972 ዓ.ም ናብ ወርሒ ካብ ዝተጉዓዘት መንኮርኩር ኣፖሎ 17 ቐጺሉ ዝግበር ካልኣይ ጉዕዞ ናሳ ክኸውን ትጽቢት ኣሎ። ሃብታም ዓለምና ቤዞስ ሕጂ ምስ ካልኦት ሰለስተ ትካላት ምርምር ጠፈር ብምዃን ናብዚ ውድድር ክኣቱ እንከሎ፡ ብሉ ሙን ላንደር ዝተባህለ ማሽን ብ1969 ቢል ኣርምስትሮንግን ባዝ ኣልድሪንን ዝተጉዓዝሉ መንኮርኩር ዝመስል ከም ዝስራሕ ይንገር። ቤዞስ ኣብ ደብዳብኡ “ንመበል 21 ክፍለዘመን ዝምጥን ከምኡ’ውን ቅርጽታት ኣፖሎ ዝሓዘ ማሽን ሰሪሕና ኣለና። እዚ ንድሕነት ቀዳምነት ዝህብ’ዩ” ኢሉ። ወሲኹ እቲ ብሉ ሙን ዝተባህለ ትካል ሓይሊ ሃይድሮጅን ከመይ ከም ዝጥቀም ዝገልጽ ሓሳብ ኣብ ደብዳብኡ ኣስፊሩ። ጉዳያት ፖለቲካ፣ ጥዕናን ቴክኖሎጅን ኢትዮጵያ ንምንታይ ኣብ ክለብሃውስ ይዝረበሎም ኣሎ? ‘‘ኩላትና ብዛዕባ ሃገርና ተሻቒልና ኣለና’’ ይብል ተቐማጢ ኔዘርላንድ ዝኾነ ናይ ፖለቲካን ድሕነትን ተንታኒ ኣደም ካሴ ኣበበ (ዶ/ር)፡፡ ብኲናት፣ ናህሪ ዋጋን ማሕበራዊ ቅልውላውን እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ናበይ ክተምርሕ ትኸውን? ነዞም ጸገማት ከ ብኸመይ እዩ መፍትሒ ክርከቦም? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣለዉ፡፡ ኣብ እንዳ ቡን፣ ኣብ ውሽጢ ታክሲ፣ ኣብ መኣዲ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈታት፣ እንዳ ጸጉሪ. . . . ሰብ ኣብ ዝተኣከበሉ ብሓፈሻ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምልዓል ኣይተርፍን። ማሕበራዊ ሚድያ እውን ካልእ ናይ ዘተ መድረኽ እዩ፡፡ ኣብ ፌስቡክን ትዊተርን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ይውጋዕ እዩ፡፡ ዶ/ር ኣደም ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘተ እንተሃልዩ ይሳተፍን ይጽሕፍን እዩ፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እውን ሓሳቡ የካፍል፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ክለብ ሃውስ ቅልቅል ኢሉ ኣሎ፡፡ ‘‘ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኩሉ ሰብ ኣብ ጭንቀት እዩ ዘሎ’’ ዝብል ዶ/ር ኣደም፡ ኣብ ክልተ ናይ ክለብሃውስ ዘተታት ተኸፋሊ ነይሩ፡፡ ክልቲኦም ብዛዕባ ኲናት ትግራይ ዝምልከቱ ነይሮም፡፡ ኣብቲ ዘተ ካብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ካልኦት ከባቢታትን ዝተወጻጽኡ ተሳተፍቲ ሓሳቦም ተለዋዊጦም፡፡ ‘‘ክለብሃውስ፡ ሓደን ክልተን ሰባት ካብ ዝህብዎ ዘረባ ዝሰፈሐ መድረኽ ዝፈጥር እዩ፡፡ኩሉ ሰብ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ኩነታት ስለዝተሸቐለ፡ ኣብ ዕብይ ዝበለ ጉጅለታት ኮይንካ ምዝርራብ ዝሓሸ ስምዒት ይህብ’’ ክብል ነቶም ዝካየዱ ዘተታት ይገልጾም፡፡ ክለብሃውስ ካብ ዝጅመር ዓመታት ኣቑጺሩ እዩ፤ መስረትቱ ድማ ፖል ደቪሰንን ሮሃን ሴትን ዝበሃሉ እዮ፡፡ ነቲ መተግበሪ ኣብ ስልኮም ዝጸዓኑ ሰባት ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ናይ ዘተ ጉጅለ ክፈጥሩን ንዝደልዩዎም ሰባት ክሳተፉ ክዕድምዎምን ይኽእሉ፡፡ እቲ መድረኽ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ሂስ ዝካየድ ብምዃኑ ብዙሓት ዝፈትውዎ እንትኾን ከም ቻይና ዝበላ ሃገራት ግን ጠቕሊለን ከልኪለነኦ እየን፡፡ ‘‘ክለብሃውስ ግጉይ ግምት ንምንጻር ዕድል ዝህብ እዩ’’ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ፡ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ወጻእን ዝዳለዉ ናይ ክለብሃውስ ዘተታት እናበዝሑ መጺኦም እዮም፡፡ ጉዳያት ጥዕና፣ ቴክኖሎጂ፣ ስነ ጾታ፣ ስነ ጽሑፍ፣ ፖለቲካ፣ ሙዚቃ ወዘተ ኣብ ክለብሃውስ መዛተዪ ዛዕባ ኮይኖም እዮም፡፡ ብናይ መሓዙቱ ድፍኢት ኣብ ክለብ ሃውስ ምስታፍ ከምዝጀመረ ዝገልጽ ዶ/ር ኣደም፡ ካብ ካልኦት ማሕበራዊ ሚድያታት ብዝተፈለየ ንዘተ፣ ሕቶ ንምሕታትን ሓሳብ ኣዕሚዩቕካ ንምግላጽን ምቹው ከምዝኾነ ይዛረብ፡፡ ‘‘ብትዊተርን ካልእ መንገድን ምዝራብ ምጽሓፍን ይከኣል እዩ፡፡ ክለብሃውስ ፍሉይ ዝገብሮ ናይ ዘተ ወይ ዝርርብ መድረኽ ምዃኑ እዩ፡፡ ሓሳባት ይለዓሉ፣ ሕቶ ይቐርብ፤ መብርሂ ምሃብ እውን ዝከኣለሉ እዩ፡፡’’ ሓሳብ ብጽሑፍ ወይ ካልእ መገዲ ቀሪቡ፡ ኣንበብቲ ወይ ሰማዕቲ ሕቶ እንተሃልዩዎም እሞ ካብቲ በዓል ሓሳብ መብርሂ እንድሕር ዘይረኺቦም፡ እቲ ሰብ ክብሎ ካብ ዝደለየ ብተቓራኒ ክርድእዎ ይኽእሉ እዮም፡፡ ምድንጋር ክፈጥሩ ካብ ዝኽእሉ መገዲታት ድማ ንሕቶን መልስን ዕድል ዝህቡ መድረኻት ዝሓሹ ከምዝኾኑ ዶ/ር ኣደም ይኣምን፡፡ ‘‘ክለብ ሃውስ ግጉይ ግምት ንምንጻር ዕድል ይህብ እዩ፡፡ ንዘይምርድዳእ ብዙሕ ክፍተት ኣይህብን፡፡’’ ማሕበራዊ ሚድያ ከምቲ ሃናጻይ ጎኑ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እውን ኣለዎ፡፡ ሰባት ይጸራረፉ፤ ጫፍ ዝወጸ ርእይቶ ይወሃሃቡን ስኑዕ ሓበሬታ ይመሓላለፈሉን፡፡ ክለብሃውስ ነቲ መተግበሪ 'people are at the center of every moment' ብምባል እዩ ዝገልጾ፡፡ ሰባት ናይ ዝኾነ ክስተት ማእከል እዮም ከም ምባል እዩ፡፡ ዶ/ር ኣደም እውን ‘‘ክለብ ሀውስ ከም ካራ እዩ፤ ካራ ጽቡቕ ስራሕ ክስረሐሉ ወይ ሰብ ክቕተለሉ ይኽእል እዩ’’ ብምባል ናይቲ መተግበሪ ኣገልግሎት ብናይ ተጠቀምቲ ባህሪ ከምዝውሰን የረድእ፡፡ ሓቛፍን ሓሳብ ማእከል ዝገበረ ፖለቲካዊ ዘተ ዝካየደሎም መድረኻት ውሱናት ብምዃኖም ክለብሃውስ ብኣገባብ ኣብ ጥቕሚ እንተውዒሉ ነቲ ሓጓፍ ክመልኦ ከምዝኽእል እውን ይኣምን፡፡ ጥዕና ዝምልከት-‘የጤና ወግ’ ዶ/ር ፍጹም ጥላሁን ኣብ ኣመሪካ ናይ ጥዕና ስፔሻሊስት እዩ፡፡ ምስ ናይ ሞያ መሓዝኡ ብምዃን ‘ የጤና ወግ’ ዝተባህለት ድህረ ገጽ መስሪቱ፡፡ እታ ቅድሚ ሓደ ዓመታን ፈረቓን ኣቢላ ዝተመስረተት ገጽ፡ ምስ ጥዕና ኣብ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ንማሕበረሰብ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምሃብ እያ ተመስሪታ፡፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ክመኻኸሩን ክመሃሃሩን እውን ትሕግዝ፡፡ ‘የጤና ወግ’ ኣብ ፌስቡክ 36 ሽሕ፣ ኣብ ትዊተር 4 ሽሕ፣ ኣብ ቴሌግራም 2 ሽሕ ኣባላት ኣለዉዋ፡፡ መዓልታዊ ካብ 150 ክሳብ 200 ሰባት ይከታተልዋ፡፡ ዛጊድ 40 ክፋል ዝበጸሐ ፖዶካስት ተሓላሊፉ፡፡ ኣብዚ እዋን ድማ በቢክልተ ሰሙን ሓደ ግዘ ኣብ ክለብሃውስ ናይ ጥዕና ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡ ዶ/ር ፍጹም ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ጥዕና ክእለት ዘለዎም ሰብ ሞያ ተዓዲሞም መብርሂ ክህቡ ይግበር እዩ፡፡ ‘‘ክለብሃውስ ኣሳታፋይ እዩ፡፡ ንኣብነት ፖዶካስት እንትንሰርሕ፡ ኣነን ዶ/ር ኤርምያስን (መሳርሕቱ) ጥራይ ኢና እንዛረብ፡፡ ኣብ ክለብሃውስ ግን ኣድማጺ እውን ተዛራቢ ይኸውን እዩ፡፡ ስለዚ ዋላ ንሰዓታት እንተተዛረብና ኣይስልቹን፡፡’’ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክለብሃውስ ኣብ ዝተዳለዉ መድረኻት፡ ብዛዕባ ክታበት ጆንሰን ኤንድ ጆንሰን፣ ምክልኻል ዝምቡዕ ሓበሬታን ኣእምሮ ጥዕናን ዘተ ተኻይዱ እዩ፡ ብዙሓት እንድሕር ዘይሓሚሞም ብዛዕባ ጥዕና ምስማዕ ክስልችዎም ስለዝኽ እል፡ ነዚ ንምቕራፍ ‘‘ጃዝ ኣወር’’ ምስዝበሃል ክለብሃውስ ጥምረት ፈጢሩ እዩ፡፡ ስለዚ እቶም ዘተታት ብልስሉስ ሙዚቃ ተዓጂቦም እዮም ዝቐርቡ፡፡ ‘‘ክለብሃውስ ፍሉይ ዝገብሮ ሰብ ሞያ ምዕዳምናን ሰማዕቲ ብቐጥታ ሕቶ ክሓቱ ምኽኣሎምን እዩ’’ ዝብል ዶ/ር ፍጹም እቲ መተግበሪ ካብ ኣፕልን ኣንድሮይድን ወጸኢ ንዘለዉ ተጠቀምቲ ተበጻሒ ዘይምዃኑ ግን ገደብ ከምዘለዎ ይገልጽ፡፡ ክለብሃውስ ፈጠራ ዘበረታትዕን እውን እዩ፡፡ ቴክኖሎጂ ዝምልከት- ሓበሻ ኢን ቴክ ቴክኖሎጂ ዝምልከቱ ዘተታት ብዙሓት ኣይኮኑን፤ ኣብቶም ዘለዉ ዝሳተፉ እውን ውሑዳት እዮም፡፡ ኣብ ካናዳ ኣብ ዝርከብ ሓደ ባንኪ ኣብ ክፍሊ ክላውድ ኢንተግሬሽን ላዕለዋይ ሓላፊ ዝኾነ ተፈሪ በቀለ ካሳ፡ ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ ክራኸቡ ኢሉ እዩ ሓበሻ ኢን ቴክ ዝተባህለ ክለብሃውስ ከፊቱ፡፡ እቶም ሰብ ሞያ ዘጋጠሞም ብደሆታትን ዝረኸብዎ ዓወትን የካፍሉ፡፡ እቶም ሰብሞያ ካብቶም ሰማዕቲ ከሰልጥንዎም ኢሎም ዝወስዱዎም ሰባት እውን ኣለዉ፡፡ ተፈሪ ኣብቲ ክለብሃውስ ዝካየዱ ዘተታት ቀዲሑ ናብ ፖዶካስት ይቕይሮም፡፡ ‘‘ማይ ቴክ ጆርኒ ወይ ናተይ ናይ ቴክኖሎጂ ጉዕዞ ብዝብል ሰባት እናተዓደሙ ይዛረቡ እዮም፡፡ ካብኡ ድማ ቴክ ኬርየር ወይ ናይ ዬክኖሎጂ ስራሕቲ ኮይኑ፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ዕዉታት ዝኾኑ ሰባት ልምዶም ዘካፍልሉ እዩ፡፡’’ ኣብ ሳይበር ሴኪዩሪቲ፣ ክላውድ ኮምፒቲንግን ካልኦት ዓውዲታት ቴክኖሎጅን ዘተ ይካየድ እዩ፡፡ ሰብሞያ ቴክኖሎጂ ብዛዕባ ስራሓቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ስለዘይጽሕፉ፡ ከም ክለብሃውስ ዝበሉ ገጻት ተመረጽቲ እናኾኑ መጺኦም፡፡ ክለብሃውስ ካብ ፌስቡክ ወይ ዩትዩብ ብዝተፈለየ መልክዕ ኣሳታፊ እዩ፡፡ ሓሳብ ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ዝፍለፍለሉ ዘይኮነስ፡ ናይ ዘተ መድረኽ ምዃኑ ዝዓበየ እዩ፡፡ ኣብ ሓበሻ ኢን ቴክ ሰሙናዊ ካብ 50 ክሳብ 100 ሰባት ይሳተፉ፡፡ ሓበሻ ኢን ቴክ ኣዝዩ ከምዝጠቐሞ እዩ ተፈሪ ዝገልጽ፡፡ ‘‘ኣጋይሸይ ብዛዕባ ጥንካረኦምን ውድቀቶምን እንትዛረቡ ብዙሕ ተማሂረ እየ፡፡ ካብ ኣጋይሸይ ጽቡቕ መልሲ ረኺበ እየ፡፡ ኣበረታቲዖምኒ እዮም፤ ሰማዕቲ እውን ከምዘለዓዕሎም ነጊሮም እዮም፡፡’’ መስረትቲ ክለብሃውስ ‘ብሚልዮን ዝቑጸሩ ሰባት ብዛዕባ ዘደንቑ ነገራት ይዘራረቡ እዮም ዘለዉ፡፡ እናጎየዩ ይኹን እናተጉዓዙ የዳምጹ፡፡ ንሶም/ንሰን እውን ሓሳቦም/ሓሳበን የካፍሉ/የካፍላ’ እናሉ እዮም ነቲ ገጽ ዘፋልጥዎ፡፡ ንግዲ ብኸመይ ይዓቢ? ናይጄርያን ፖሊሳን፣ ሂፕ ሀፕ ሙዚቃ ዝብሉን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ገጻትን መዓልታዊ ትረኽቦም፡፡ ተፈሪ ብወገኑ ‘‘ኣብዚ ቦታ ድምጺ ኣለኒ ዝብል ስምዒት ይፈጥር’’ ኢሉ እዩ ዝገልጾ፡፡ ሳይንስ፡ ብኸመይ ጥዑይ መሓዛ ነጥሪ? ኣብዚ ናይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዋን ንመብዛሕትና፡ ንምዃኑ ኣነስ ናይ ቀረባ መሓዛ ኣለኒ'ዶ? መን'ዩ . . . ከመይ ዝበለ'ዩኸ? ዝብል ስምዒት ከምእነሕድር ገይሩና ኣሎ። እቲ ኩነታት ዕጽዋን ኣካላዊ ምርሕሓቃትን ካልእን ስለዝፈጠረ ብፍላይ ንቖልዑት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ሎ። ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምክልኻል ዝተወስዱ ስጉምታት ብውሑዱ፡ ሰባት ብኣካል ናይ ምርኻብ ኣጋጣሚታቶም ከምዝጸብብ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዕጸው ስለ ዝገበረ፡ ዕለታዊ ስራሕትን ርኽክባት ሰባት ብኢንተርነት ኣብ ዙምን ካልእን ዝተደረኸ ኮይኑ። እዚ ድማ ብፍላይ ነቶም ኣዐርዮም ናእሽቱን እንታይነት ዙም ዘይፈልጡን ቖልዑት ዘሕልፉዎ ግዜ ከቢድ ከምዝኸውን ገይሩ። በዚ ምኽንያት መብዛሕትኦም ምስ ዝፈትውዎ መሓዝኦም ተረሓሒቖም። ከም ሰብ፡ እቶም እንናፍቖም ሰባት ዘዛንዩና ጥራሕ ዘይኮነ እንኣምኖም ሰባት'ውን እዮም። እቶም ዓበይቲ ጥራሕ ዘይኮንና ዋላ እውን እቶም ቖልዑ ንኣባይቲ አዕሩኽቶም ከም ቤቶም ክሳብ ዝርእዩዎ ምቅርራብ ዝጸንሖም አዕሩኽ ምክልኻል ኮቪድ ኣረሓሒቑዎም እዩ። እቶም ዓበይቲ እውን ውዕሎና ክንነግሮም ምኽሪ ክንሓቶም ወይ ጸገምና ክንነግሮም ምስ እንደሊ ኣብ ዝኾነ እዋን ከም እንድውለሎም ኢና ንሓስብ። "ኣብ ጽቡቕ ምሕዝነት ምቅርራብ ኣሎ፤ እዚ ከኣ ንዓኻ ዝኸውን ሰብ ከም ዘለካን ንስኻ ብግዴኻ ንካልኦት ከም እተድልን የዘኻኽረካ" ትብል መምህር ስነ ልቦና ዩኒቨርሲቲ ሳሴክስ ረቤካ ግራበር። ይኹን'ምበር ብኸመይ ጥዑያት መሓዙት ክህልውና ይኽእሉ? ስለ ምንታይ ኢና ምስ ካልኦት ጥቡቕ ማሕበራዊ ምትእስሳር ክህልወና እንደሊ ዝብሉ መጽናዕታት "ዓበይቲ ስነ ፍልቀታዊ ረብሓታት ስለ ዘለው እዩ" ይብሉ። "ዕርክነት ከም ባህሊ ኢና ንሓስቦ። እንተኾነ ካብኡ ንላዕሊ እዩ" ትብል ጸሓፊት ሊድያ ዴንዎርዝ። ዕርክነት ሓደ መሓዛ ካብቲ ካልእ ምምራጽ ዘይኮነ ምስቶም ሓገዝቲ ዝኾኑ ሰባት እተሕልፎ ግዜ ዝፈጥሮ ጥምረት እዩ። ልክዕ ከም ደቂ ሰባት ኣቡሳላማ [ዶልፊናት] እውን ሓበራዊ ድልየት መሰረት ዝገበረ ምሕዝነት ይፈጥሩ'ዮም። ደቂ ተባዕትዮ ኣቡሳላማ መግቢ ደልዮም ናብ ዓሚቚ ማያት ክኣትው እንከለው ምስ ካልኦት ከምኦም ዝበሉ ፍጥረታት ምሕዝነት ከም ዝፈጥሩ ብ2019 ዓ.ም ዝወጽአ መጽናዕቲ ይሕብር። እዞም ጽኑዓት ውህደታት ንዓሰርታት ዓመታት ክዘልቁ ከም ዝኽእሉ መራሒት ጸሓፊት እዚ መጽናዕቲ ተመራማሪት ዩኒቨርሲቲ ዙሪክ ማኑኤላ ቢዞዜሮ ትገልጽ። ኣህባይ'ውን ካብቶም ጽኑዕ ዕርክነት ዝደልዩን ዝፈጥሩን እንስሳታት እዮም። ኣብ 2003 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝወጽአ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስቶን ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣህባይ ዘሎ ዕርክነት ከም ዝወሰኸ የርኢ። ካልእ መጽናዕቲ ድማ እቶም ጽኑዕ ዝምድና ዝፈጥሩ ኣህባይ ትሑት መጠን ጭንቀት ከም ዘጋጥሞምን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ናይ ቀረባ መሓዝአን ተጠቒዑ ምስ ሞተ ሓድሽ ዕርክነት ንምጅማር ጽዓርዓር ከም ዝብላን የርኢ። "ኣንበሳ ጥዑይ ዓርኪ ሒዝኻ ኢኻ ክትቃለሶ ትኽእል። ንሕና'ውን ዓበይቲ ጸገማትና ክንቃለሶም ሓገዝ ንደሊ፤ ኣዕሩኽትና ከምዚ'ዮም ዝገብሩ" ትብል ዳንዎርዝ። ምምሕዛው መሓዙት ምርካብን ኣብ ጉዕዞ ክትሃንጾ ምኽኣልን ግዜ ዝወስድ ክእለት እዩ። ቖልዑት ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ኮኑ፡ ሰባት ካብቲ ናቶም ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ፣ ስምዒትን ድልየትን ከምዘለዎም ክግንዘቡ ይጅምሩ። እዚ ሓድሽ ዝቀላቐል ዓቕሚ "ክልሰ ሓሳብ ሓንጎል" ዝብሃል ኮይኑ ቖልዑት ኣዕርኽቲ ክፈጥሩ ዘኽእሎም ምዃኑ በዓልቲ ሞያ ስነ ልቦና ኢሌን ኬዴኒ-ሞር ተረድእ። ቖልዑት ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ መጻወቲ ሜዳ ምስ መዘናታቶም ጥቡቕ ዝምድና ንምፍጣር ዘኽእሎም ዘይተገደበ ኣመለኻኽታ ምሕዝነት ኣለዎም። "ቖልዑት ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ምስ ዘለው ካልኦት 25 ሰባት ኣብ ሓደ ክፍሊ ብሓደ ስለ ዝውዕሉ ዕርክነት ንምፍጣር ካብ ዓበይቲ ብዝሓሸ ዕድል ኣለዎም። ኣብ ዓበይቲ ዕርክነት ክትእልሾን ክትሃንጾን ጻዕሪ ይሓትት'ዩ" ክትብል ተረድእ እታ ክኢላ። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝብሎ፡ ዓበይቲ ምስ ሓደ ሰብ ካብ ምፍላጥ ክሳብ ተራ ዕርክነት ንክበጽሑ 50 ሰዓታት፣ ንሓድሕዶም ከም መሓዙት ቅድሚ ምቅርራቦም 90 ሰዓታት፣ ሓድሕዳዊ ስምዒታቶም ክፋለጡን ክለዋወጡን ናይ ቐረባ መሓዙት ንምዃን ድማ ልዕሊ 200 ሰዓታት ብሓባር ከሕልፉ ከምዘለዎም የረድእ። "ጽቡቕ ዕርክነት ዳርጋ ብፍቕሪ ከም ምትሓዝ'ዩ። ጽቡቕ ምሕዝነት ድማ ቖልዑት ኣብ ህይወቶም ጥቡቓት ዝምድናታት ንምፍጣር ዘኽእሉዎም ዓቕሚታት ዝረኽብሉ'ዩ። በዚ ድማ ብዛዕባ ነብሶምን ካልኦትን ይፈልጡ፣ ብሕታውነት፣ ቅንእን ስግኣትን ከመይ ትሰግሮም ዝብሉ ክኣ ይመሃሩ" ክትብል ኬኔዲ-ሞር ትገልጽ። ቖልዑት ኣብ ገዝኦም ብዛዕባ ኣዕርኽቶም ዘየውግዑ እንተኾይኖም ግን መሓዙት የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ወለዲ ድማ ደቆም ኣዕሩኽ ንኽረኽብ ክሕግዙዎም ኣለዎ። ጥዕናዊ ረብሓታት ቖልዑት ጥዑይን ጽኑዕን ምሕዝነት ከማዕብሉ ምኽኣሎም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ረብሓ ኣለዎም። መጽናዕታት፡ ጥቡቕ ዕርክነት ንነዊሕ እዋን ምዕቃብ ኣብ ጥዕና መትኒ ነርቭን ከምኡ'ውን ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምምዕባል ሓጋዚ ተራ ኣለዎ ይብሉ። ብ2010 ዝተኻየዱ 148 መጽናዕታት፡ ጽኑዕ ምሕዝነት ምትካኽ ሽጋራ ጠጠው ካብ ምባል፣ ክብደት ሰብነት ምንካይን ካልኦት ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ምግባርን ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ ኢሎም። ብተወሳኺ ጽኑዕ ወይ ድልዱል ናይ መሓዙትን ቤተሰባዊ ምትእስሳርን ክህልወካ እንተኽኢሉ 50 ሚኢታዊት ናይ ሞት ሓደጋ ምንካይ ከም ዝክኣል የመልክት። ብሕታውነት ወይ ካብ ሰብ ዝተነጸልካ እንተኼንካ ግን ብልክዕ ኣብ መዓልቲ 15 ሽጋራ ከም ምትካኽ ዝግመት ናይ ሞት ሓደጋ ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣብ 20 ሽሕ ኣመሪካውያን ዝተኻየደ መጽናዕቲ የረድእ። ዩኒቨርሲቲ ሃርቫድ ካብ 1983 ጀሚሩ ልዕሊ 700 ደቂ ተባዕትዮ ንጉዕዞ ህይወቶም ክከታተል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሰባት ኣብ 50ታት ዕድሚኦም ክበጽሑ እንከለው ብዝነበሮም ዕርክነት ዕጉባት ከም ዝኾኑን ኣብ ኣካላዊ ጥዕንኦም ዝሓሸ ተራ ከም ዘለዎን ኣረጋጊጹ። ስለ ዝኾነ "ሓደሽቲ ኣዕሩኽ ከጥሪ ደንጉየ ኣይብሃልን፤ ግን ኣቐዲምካ ምጅማር ከኣ ዓብዪ ነገር'ዩ" ትብል ዳንዎርዝ። ጥዑያት ምሕዝነታት ቖልዑት ኣብ ህይወቶም ኣጸጋሚ ኩነታት ከጋጥሞም እንከሎ ንክሰግሩዎ ይሕግዝ። ጥዑይ መሓዛ ዘለዎም ቖልዑት ከኣ ካብ ብሕታውነትን ጭንቀትን ይገላገሉ። "ልዑል ደረጃ ጥዑይ መሓዛ ዘለዎም ቖልዑት ልዑል ስነ ልቦናዊ ጽንዓት የርእዩ። እቲ ጥዑይ መሓዛ ድማ ኣብ ህይወቶም ነገራት ናይ ምቕያር ዝሓሸ ክእለታት ዘለዎ ኮይኑ ተራእዩ'ዩ" ትብል ግራበር። እቲ ጥዑይ መሓዛ ጸገማት ጥራይ ዘዕልል እንተኾይኑ ናይ ጭንቀት ምልክታት ክውስኹ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይገልጹ። ናይ ባህሊ ፍልልያት ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ካብ ምስ ሓደ ሰብ ምዃን ኣባላት ስድርኦም መሓዙቶምን ዝርከብሉ ናይ ብዙሓት ሰባት ምትእኽካባት ዝመርጹ ሰባት ኣለው። ኣብ ገጠራት ወይ ናእሽቱ ከተማታት ዝነብሩ ሕብረተሰብ ደቆም ምስ ኣሕዋቶም ወይ ኣዝማዶም ናብ ቤት ትምህርቲ ስለዝኸዱ ነዚኦም ከም ናይ ቀረባ መሓዙቶም ይርእዩዎም። በዚ ምኽንያት ኣብ ሞንጎ ጥዑይ መሓዛን ቤተሰብን ዘሎ ኣፈላላይ ክርድኦም ከም ዘይኽእል መምህር ኣንትሮፖሎጂ ዩኒቨርሲቲ ሳክሰስ ኢቫን ኪሊክ ትዛረብ። ንኣብነት ንሳ ኣብ ጫካ ኣማዞን ብዛዕባ ዝርከቡ ሕብረተሰብ ኣጽኒዓ እያ። እዚኦም ምስ ዝኾነ ኣባል ስድራኦም ብፍላይ ድማ ወዲ ሓው ኣቦኦም ዝህሉ ርክብ ከም ዕርክነት ከም ዝቐጽሩዎ ትገልጽ። እዞም ኣሻኒንካ ዝተባህሉ ክፋል ሕብረተሰብ ንዓቕመ ኣዳም ምስ በጽሑ ወይ ምስ ጎበዙ ከምኡ'ውን ንግዳዊ ልውውጥን ናይ ሓዳር መጻምድን ንምርካብ ክደልዩ እንከለው እዮም ካብ ኣባል ስድሮም ወጻኢ ዝኾነ ሰብ ምድላይ ዝጅምሩ። ኣብ ቀረባ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ድማ ሩስያውያን ንዕርክነት ዓብዪ ቦታ ከም ዝህቡን፡ እዚ ኣብ እምነትን ቅርበትን ዝተሞርኮሰ ከም ዝኸውንን የመልክቱ። ነዚ ታሪኻዊ ምኽንያት ወይ ጽልዋ ከም ዘለዎ እትገልጽ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኩቤክ ማሪና ዱቺሬይን "ኣብ እዋን ሕብረት ሶቭየት ዋላ'ውን ኣብ ሞንጎ ኣባላት ስድራ ናይ ቐረባ መሓዛ ክህልወካ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ካብዚ ብዝብገስ ሰባት ውሑዳት ዝኣምኑዎም ሰባት ምሓዝ ዝብል ከም መፍትሒ ተጠቒሞምሉ። እምነት ከኣ ኣብ ሞንጎ ሩስያውያን ሕምብርቲ ዕርክነት እዩ" ትብል። ብኣንጻሩ ካናዳውያን ናይ ሰባት ናጽነት ምኽባር ኣብ ዝብል ዝኣምኑን ካብ ናይ ቀረባ መሓዙቶም ትጽቢት ዝገብሩዎ ውሑድ ምዃኑን ይጠቅስ። ስለ ዝኾነ እንተደሊኹም ከም ማሕበረተሰብ ኣሻኒንካ፣ እንተደሊኹም ድማ ከም ሩስያውያን ወይ'ውን ኣቡሳላማ [ዶልፊን] ከም ድላይኩምን ምርጫኹምን ኣብ ህይወትኩም መሓዛ ወይ ዓርኪ ክህልወኩም ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ። ንገሊኡ ኣብ ቑልዕነት ዝጅምር ንገሊኡ ድማ ግዜ ዝወስድ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ቁውም ነገር ግን ጥዑይ መሓዛ ንከተፍሪ ደንጉየ'የ ዘይምባል እዩ። ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣቡሳላማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሞዛምቢክ ሞይቶም ተረኺቦም ኣስታት 100 ኣቡሳላማ (ዶልፊን) ኣብ ገማግም ሓንቲ ካብ ደሴታት ሞዛምቢክ ሞይቶም ተረኺቦም። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ተወሰኽቲ ኪኢላታት ናብታ ደሴት ከይዶም ምህላዎም ሚኒስትሪ ኣከባቢ እታ ሃገር ሓቢሩ'ሎ። ብሰንበት ገለ ሬሳታት ናይቶም ፍሉጣት ዓይነት ዓሳ ኣብ ገማግም ደሴት ባዛሩቶ ንፈለማ እዋን ተራእዩ። ትማሊ ሰሉስ ድማ ካልኦት 86 ኣብቲ ገማግም ተረኺቦም። እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝኽሰት ሓያል ንፋስ ዝተሓወሶ ማዕበል ባሕሪ ሓደ ካብ ጠንቅታት እንተኾይኑ ንምርግጋጽ ኪኢላት መርመራታት የካይዱ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጉዋምበ ዝተባህለ ሓያል ህቦብላ ባሕሪ ኣብ ማያት ናይታ ደሴት ተኸሲቱ ምንባሩ ሓላፊ ሃገራዊ ሕዛእቲ ደሴታት ባዛሩቶ ቶማስ ማናሰ ተዛሪቡ። ኣቡሳላማ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፡ ንመራሒኦም ተኸቲሎም ናብ ገማግም ከምዝጽግዑ ይፍለጥ። እቲ ዛጊት ተኻይዱ ዘሎ መርመራ፡ ኣብ ቆርበት፡ መልሓስን መዓናጡን ናይቶም ዓሳታት ዝኾነ ጸገም ከምዘይረኸበ እቲ ሓላፊ ጠቒሱ። ተወሳኺ ቅምሶታት ናብቲ ኣብ ርእሰከተማ ማፑቶ ዝርከብ ቤተፈተነ ተሰዲዱ ከምዘሎ'ውን ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 52 ዝሞቱ 'ዶልፊናት' ኣብ ገማግም ደሴታዊት ሃገረ ሞሪሽየስ ተረኸቦም ነይሮም። እቲ ናይ ሽዑ ሓደጋ በታ ኣብቲ ገማግም ተሸኺላ ንማያት ናይቲ ከባቢ ዝበከለት ናይ ነዳዲ መርከብ ዝሰዓበ'ዩ ክብሉ ተጣበቕቲ ኣከባቢ ይኸሱ። ይኹን እምበር ወኪል ቢቢሲ ኣብታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ብሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ዝተገብረ መርመራ ከምዘነጽሮ፡ ሞት ናይቶም 52 ዓሳታት ብሓደ 'ባሮትሮማ' ዝተባህለ "ክስተት" ዝሰዓበ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ጠንቂ ናይቲ ክስተት ብሰንኪ ሃንደበት ዝፍጠር ጸቕጢ ምዃኑ ይግለጽ። "እዚ ዝተፈላለዩ ረቋሒታት ክህልውዎ ዝከኣል'ዩ። ወታሃደራዊ ሶናር፡ ኣብ ትሕቲ ማይ ዝኽሰት ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ነተጒቲ ወይ እሳተ-ጎመራ" ዝበሉ ጠንቅታት ዝፈጥርዎ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ። ኤርትራ፡ ምድረበዳነትን ተበግሶታት ዳግመ-ምግራብን ሎሚ 17 ሰነ፡ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምግታእ ምድረበዳነትን ደርቅን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ቢቢሲ፡ ኤርትራ ኣብዚ መዳይ ንዝወሰደቶ ስጉምትታት ቆላሕታ ዝገበረ ዳህሳሳዊ ጸብጻብ ኣዳልዩ’ሎ። ኣስታት 75 ሚእታዊት ገጽ ናይዛ ዓበይቲ ስግኣታት ኣጋጢሞምዋ ዘለዉ እንነረላ ፕላነት ብኢድ ሰብ ከምዝተቐየረን ብሰንኩ እንስሳ ዘጋዳምን ተፈጥሮን ናብ ንእሽቶ ኩርናዕ ክጽግዑ ተገዲዶም ከምዘለውን ጸብጻባት ይገልጹ። ብመሰረት ኣብ 2019 ዝወጸ ዓለምለኻዊ ጸብጻብ ስነሂወታዊ ብዙሕነትን ስርዓተ-ማሕድሮታትን፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓሌታት እንስሳታትን ኣትክልትን ሓደጋ ምጽናት ኣጋጢምዎም ኣሎ። “ሰብን ክሊማዊ ለውጥን ዘስዓቦ ምብራስ ኣግራብን ምድረበዳነትን ዘላቒ ልምዓትን ኣብ ምርግጋጽ ዓቢ ብድሆ ኮይኑ፡ንሂወትን መነባብሮን ሚልዮናት ሰባት ጸልዩ”ከምዘሎ ንሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ዝከታተል ትካል ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ኣብዚእዋን ሓደ ሲሶ ገጽ ናይዛ ምድሪ ብዱር ዝተሸፈነ ምዃኑ ዝገልጽ ትካል ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት (UNEP) “ኣብዛ ምድሪ ሂወት ንምስሳን ዱራት ኣዝዮም ኣገደስቲ’ዮም” ይብል። ኤርትራ ኣብ ሓውሲ ምድረበዳ ዝዀነ ዞባ ኣህጉር ኣፍሪቃ እትርከብ ከም ምዃና መጠን፡ ሰፊሕ ቀላጥ መሬት ዘለዋ’ያ። ክሊማዊ ለውጥን ብቐጻሊ ኣብቲ ዞባ ዝኽሰት ደርቅን ኣብ ምስፋሕ ምድረበዳነት ግደኡ ገይሩ’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ንኣስታት ልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘመን ካብታ ሃገር ዘይተፈልየ ኲናት’ውን፡ ኣሉታዊ ተራኡ ኣብ ምብራስ ኣግራብ ቀሊል ኣይኰነን። ዋላ’ኳ ብመጠን ድሩት እንተኾነ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ይዅን ዶባዊ ኲናት ዝተቘርጹ ዓበይቲ ኣግራብ ብቐሊሉ ዝትክኡ ኣይኮኑን። ብዓቢኡ’ውን ሕርሻዊ ንጥፈታት ኣብቲ ኣግራብ ብምቝጥቋጥ ዝዳሎ መሬት’ዩ ዝምርኮስ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ንሕርሻ ተባሂሉ ዝተላጸየ ኣግራብ ማእለያ የብሉን-ውሕስነት መግቢ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስለዝነበረ። ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት 'ታሃገር ዝተጀመሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ሕርሻ ንባዕሎም ብዋጋ ናይቲ ዝጸንሐ ሸፈነ ኣግራብ ዝማዕበሉ’ዮም። ክሳብ ክንደይ ተተኪኦም ዝብል ሕቶ ድማ መልሲ ዘድልዩ እዩ። ንመስርሒ ኣባይቲ ዝበርስ ኣግራብ’ውን ብቐሊሉ ዝትካእ ኣይኮነን። ሃዳሙን ኣጉዶታትን ኤርትራ ንምስራሕ ኣብ ምብራስ ኣግራብ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ብዘይካኡ’ውን ጸዓትን (ዝነድድ ሓውን ፈሓምን) ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዓበይቲ ብድሆታት ምዕቃብ ኣግራብን ዱራትን ምዃኖም ይግለጽ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ጸዓት፡ ኣብ ከተማታት ዘሎ ህዝቢ ከይተረፈ ገጹ ናብ ዕንጨይትን ፋሓምን ክመልስ ዘገደደ ኵነታት ስለዝዀነ፡ ኣግራብ ግዳይ ካብ ምዃን ኣይደሓኑን ዘለዉ። ኢድ ሰብ ዘለዎ ጠንቅታት ምብራስ ኣግራብ፡ መነባብሮን ሂወትን ማሕበረሰባት ኣብ ኣግራብን ኣከባብን ከምዝምርኮስ ዘነጽር’ዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ’ዩ እቲ በጺሑ ዘሎ ዕንወት ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎን፡ ንምፍዋሱ ላዕልን ታሕትን ዝብሃል ዘሎን። ብደረጃ ዓለምን ብሃገርን ነቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ምንቁልቋል ንምግታእ ዝተፈላለዩ ተበግሶታትን ፈተነታትን ክካየዱ ጸኒሖም ኣለዉ። ኤርትራ ነቲ ብድሆታት ብኽልተ መገድታት ንምግጣም ከምዝፈተነት ጸብጻባት ናይቲ ነቲ ሓላፍነት ብቐንዱ ዝስከም ሚኒስትሪ ሕርሻ እታ ሃገር የርእዩ። እቲ ሓደ ግዝያውን ቀዋምን ሕዛእትታት ምፍላይ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ፡ ካብ ምንቅስቓስ ሰባት፡ መጋሃጫ፡ማሕረስን ምቑራጽ ኣግራብን ዝኣመሰሉ ተግባራት ዝተኸልከለሉ እዩ። እቲ “ሓምላይ ቅናት” ዝፍለጥ ሰሜናዊ ባሕሪ ናብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ምቕያሩ ከም ኣብነት ናይዚ ዝጥቀስ’ዩ። ኣብቲ ከባቢ ብማሕረስን ጉስነትን ዝናበር ዝነበረ ህዝቢ ግን፡ ምንጪ እቶቱ ተሓዲጉ መተካእታ ስለዘይተገብረሉ ዝነበሮ ውሕስነት መግቢ ከምዝተጸልወ ይግለጽ። ምስኡ ዝተኣሳሰር ዋሕዚ ቱሪዝም ከምቲ ዝድለ ዘይምዃኑ’ውን ነቲ ከባቢ መተካእታ ክኸውን ኣይክኣለን። እንተዀነ፡ እቲ ስጉምቲ ነቲ ዝተሓዝአ ከባቢ ብባህርያዊ መገዲ ዳግማይ ብኣትክልቲን ኣግራብን ክሽፈን ትጽቢት ይግበረሉ። ዛጊት በዚ ኣገባብ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ከባቢ 200 ሽሕ ሄክታር መሬት ብባህርያዊ መገዲ ዳግማይ ከም ዝጠጥዐ ዳይሬክተር ጨንፈር ምቍጽጻር ባህርያዊ ጸጋታት ኣቶ እስቲፋኖስ በይን ምግላጹ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሻባይት ብ 22 ግንቦት 2021 ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ ይጠቅስ። እቲ ካልኣይ መገዲ፡ መደባት ተሳትፎ ነበርትን ክረምታዊ ማእቶት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን እዩ። ካብ 1994 ጀሚሩ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዓመታዊ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ብቐጥታ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ብምውፋር ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ንጥፈታት ምድላው ዛላታት፡ ምግራብን ካልእ ንጥፈታት ምዕቃብ ማይን ሓመድን ክነጥፉ ጸኒሖም ኣለው። ካብ 1994 ክሳዕ 2016 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት 19 ሚልዮን ጐዳጉዲ ከምዝተዃዕተ፡23 ሚልዮን ፈልስታት ከም ዝተተኸለን 17 ሽሕ ኪሜ ዛላ ከምእተሰርሐን ጸብጻባት እቲ ሚኒስትሪ የረድእ። እዚ መደብ ብፍላይ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓን ንኡስ ዞባ በሪኽን ከም ኣብነት ዝጥቀስ “ኣዕጋቢ” ውጽኢት ከም ዘመዝገበ ይግለጽ እዩ። እንተዀ፡ ብሓፈሻ ብሰንኪ ዋሕዲ እኹል ዝናብን ግቡእ ምክትታልን፡ እቲ መደባት ምግራብ ከምቲ ዝድለ ጽልዋታት ከም ዘየምጽአ ይንገር። ጸብጻብ ናይቲ ሚኒስትሪ’ውን ካብቲ እተተኽለ ክንደይ ሚእታዊ ከም ዝጸደቐ ኣይገልጽን’ዩ። ገለ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ግዱድ መደብ ክረምታዊ ማእቶት ንመሰላት ናይቶም ተመሃሮ ዝገፍፍን ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ቍጽጽር ንምእታዎም ዝተወደበ’ዩ ብምባል’ውን ይነቕፉ። መንግስቲ ግን መደባት ክረምታዊ ማእቶት፡ ዝተፈላለየ ባህልን ድሕረ ባይታን ንዘለዎም ተማሃሮ ናብ ሓድነት ኣብ ምምጻእ ዕዙዝ ኣበርክቶ ከም ዘለዎን፡ እቶም ተመሃሮ ኣብ ክፍሊ ንዝቐሰምዎ ፍልጠት ዘተግብሩሉን ባህሊ ስራሕ ዘማዕብሉሉን ምቹእ ኵነታት ዝፈጥርን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብነበርቲ ዝውሰድ ድሩት ተበግሶታት’ውን፡ንኣሽቱን ማእከሎትን ቃጽዖታት ተሓዚኦም ናይ ምስሳን ፈተነታት ከምዝግበረሎም ጸብጻባት ይሕብሩ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘሎ ኣግራብ ማንጉሮቭ ምስፋሕ ፕሮጀክት’ውን ሓደ ካብቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ምዃኑ ይፍለጥ። እቲ ነዊሕ ሰራውር ዘለዎ ገረብ ማንጉሮቭ ልዑል መጠን በካሊ ጋዝ ካርቦን ናይ ምውሓጥ ዓቕሚ ከምዘለዎ ይግለጽ። ብዘይብኡ’ውን ንኣዕዋፍን ካልእ ሂወታውያንን ኣገዳሲ ማሕድሮ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ሸፈነ ኣግራብ ኤርትራ ናብ 10% ክብ ንምባል ተወጢኑ ከምዘሎ ዳይሬክተር ጀነራል በዓልስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኮሎኔል ክንፈ ሃብቶም፡ ብ30 ጥሪ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ምግላጹ መርበብ ሻባይት ይሕብር። ምቚራጽ ኣግራብ ንምጉዳል፡ ኣስታት 170 ሽሕ ጸዓት ቈጣቢት መጐጎ ኣድሓነት ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከምእተተኽለ ሰብመዚ ይገልጹ። ምትእትታው መጐጎ ኣድሓነት ሃልኪ ዝነድድ ዕንጨይቲ ኣዝዩ ከምዘጉደሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ኣብ 2025 ኣብ ገጠራት ዝርከብ ነፍስወከፍ ገዛ መጐጎ ኣድሓነት ክህልዋ ከምዝግባእ፡ ንዳግመ-ምግራብን ምዕቃብ እንስሳ ዘገዳምን ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ተዛሪቡ ነይሩ። ኤርትራ ኣብ ምምካት ምድረበዳነትን ደርቅን ከምዝዓመመቶ ዝግለጽ ካልእ መደብ፡ ዝተፈላለየ ዓቕሚ ዘለዎም ከዘንቲ ማይ ብብዝሒ ምህናጽ እዩ። እታ ሃገር ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ 1991፡ብዝሒ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝነበረ ዲጋታታትን ራህያታትን 138 ከም ዝነበረን እዚ ኣብዚ እዋን ናብ 785 ከም ዝወሰኸን ኣብቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ንምምካት ምድረበዳነት ብዝምልከት ኣብ ኣቢጃን ኣይቮሪኮስት ዝተኻየደ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ዝተሳተፈ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻባት ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ስፍሓት ብመስኖ ዝለምዐ መሬት ብኣርባዕተ ዕጽፊ፡ ፍርያት ፍሩታታት ብ71 ዕጽፊ፡ ፍርያት ኣሕምልቲ ከኣ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ከምዝዓበየ ኣረዲኡ። ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ዳይሬክተር ጨንፈር ውጠናን ስታቲስቲክስን ኣቶ በረኸት ጸሃየ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስ ሻባይት ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ 31 ዓመታት፡ ን4.5 ሚልዮን ኪዩቢክ ማይ መዕገቲ ከምእተሃነጸ ገሊጹ። እቲ በቶም ዝተሃነጹ ዲጋታት ክለምዕ ዝኽእል መሬት ብምሉእ ዓቕሚ ኣብ ጠቕሚ ውዒሉ ብዛዕባ ምህላው ግን ኣይፍለጥን። ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ብርሰት ዱራትን ምስፍሕፋሕ ምድረበዳነትን ምንጪ፡ ሕቡራት ሃገራት ፑሙከል 50 ሴንት ሜትር ቁመትን 35 ኪሎ ግራም ክንደትን ዘለዎ ኮይኑ እቲ ዝሓጸረ ድንኪ ፈረስ ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም ክምዝገብ ተስፋ ተገይርሉ'ሎ። ኣይተ ቶማስ ታማ፡ "ንሓራግጽ ከም እንስሳ ዘቤት'የ ዝርእዮም" ኣብ ኢትዮጵያ እንኮ ዝኾነ፡ ጣብያ መራብሒ ሓርገጽ ብ1976 ኣ.ኢ ተመስሪቱ። ኣይተ ቶማስ ድማ ብ1981 ኣ.ኢ ናብቲ ትካል ብሰራሕተኝነት ተጸምቢሩ። ዋላ'ኳ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕዳጋ [ቆርበትን ስጋን] ሓርገጽ እንተዘሓለ፡ ቅድም ክብል ግን ኢትዮጵያ ሸርፊ ወጻኢ ትረኽበሉ ነይራ። ዑደተኛታት'ውን እናመጽኡ ስለዝርእይዎ ኣታዊ ይርከቦ'ዩ። "ኣብ 1981 ብግዚያዊነት፡ 1993 ከኣ ብቐዋምነት ምስ ተቖጸርኩ ክሳብ ሎሚ የገልግል ኣለኹ" ይብል ኣይተ ቶማስ። ኣብቲ ትካል ክሰርሕ ምኽኣሉ ሓጎስ ከም ዝፈጥረሉ ይዛረብ። "ብርግጽ ኣብቲ ፈለማ ክቑጸር ከለኹ ብጣዕሚ ዘፍርሕ ነይሩ። ደሓር ግን እናለመድክዎ መጺኤ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስቶም ሓራግጽ ተሳኒና ዝርኣዩና ሰባት ብጣዕሚ ይግረሙ። ምስቶም ሓራግጽ ዘለና ርክብ ሓጎስ ዝፈጥር'ዩ" ይብል። «ከም እንስሳ ዘቤት'የ ዝርእዮም» ሓራግጽ ካብ ሞንጎ'ቶም ኣዝዮም ዝፍርሑን ከቢድ ሓደጋ ከኸትሉ ዝኽእሉን ኣብ ማይ ዝነብሩ እንስሳት እዮም። ቶማስ ግን "ልክዕ ከም እንስሳት ዘቤት'የ ዝርእዮም" ይብል። "ሰባት ኩል ግዜ ዝዛረብዎ ነገር እንተሃለወ ብዛዕባ ጭካነ ሓርገጽ'ዩ። 'ከመይ ኢልኩም ምስ ሓራግጽ ትሰርሑ?' ይብሉና። ንሕና ግን ክንክን ስለንገብረሎምን መዓልታዊ ምስኦም ስለንራኸብን ለሚዶምና እዮም። ልክዕ ከም እንስሳ ዘቤት'ዮም" ብምባል ብጣዕሚ ከም ዝቀራረቡኻን ፍቕሪ ከም ዘለዎምን የረድእ። ቶማስን ካልኦት መሳርሕቱን ነቶም ሓራግጽ ገና ናኣሽቱ ከለዉ ስለዝላለይዎም ብቐሊሉ ይላመዱ። ከቢድ ሓደጋ! ብ1989 ኣ.ኢ ዘጓነፎ ሓደ ሓደጋ ነይሩ። ሽዑ እቲ ጣብያ ኣብቲ ሕዚ ዝርከበሉ ቦታ ኣይነበረን። ብዙሓት ሓራግጽ ንዝነብሩሉ ቀላይ ኣባያ ብጣዕሚ ዝቐረበ ነይሩ። ክረምቲ ብዝኣተወ ቁጽሪ ስግኣት ሓደጋ ሓራግጽ ብጣዕሚ ይውስኽ ነይሩ። ቀላይ ኣባያ እናመልአ ናብ መንበሪ'ቶም ሓራግጽ ይፈስስ። ገለ እዋናት መሊኡ ክፈስስ ከሎ ድማ ካብቶም ሓራግጽ ናብቲ ቀላይ ይኣትዉ። "እቲ ቀላይ መሊኡ ነቲ ቦታ ከዕለቕልቖ ከሎ ብጀላቡ እናተሓገዝና ኢና ንሰርሕ። ሽዑ ናይቶም ሓራግጽ ማይ ብኻልእ ሓድሽ ማይ እናተካእኹ ነይረ። ካብ ዕንጸይቲ ብዝተሰርሐ ድልድል ኣቢለ ክወርድ ክብል ሓደ ብታሕቲ ከይረኣኽዎ ዝተሓብአ ሓርገጽ ሒዙኒ። ሰንቢደ እግረይ ሓፍ ከብሎ ከለኹ ንስጋይ መንጪቱ ኣትሪፍዎ" ክብል ይዝክር። ሽዑ ድምጺ ቓንዝኡ ዝሰምዑ መሓዙቱ መጺኦም ናብ ሆስፒታል ወሲዶምዎ። ከቢድ ጉድኣት'ኳ እንተበጽሖ፡ ዓጽሙ ዘይምጉድኡ ግን ከም ዕድል ይቖጽሮ። ጎረባብቱን ካልኦት ሰባትን ካብታ መዓልቲ ንደሓር ናብቲ ስራሕ ከይምለስ እንተመዓድዎ'ኳ ቶማስ ግን ካብ ስርሑ ክተርፍ ኣይመረጸን። "ተመሊሰ እንተኸይደ ህይወተይ ክሳብ ምስኣን ዝበጽሕ ሓደጋ ከጋጥመኒ ከም ዝኽእል ነጊሮምኒ። ኣነ ግን ቁስለይ ምስሓወየ ናብቲ ስራሕ ተመሊሰ" ክብል ይዛረብ። ስጋ ሓርገጽ ንኣይተ ቶማስ፡ 'ስጋ ሓርገጽ ጥዒምካዮ'ዶ ትፈልጥ?' ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብናሉ፡ ብፍሽኽታ ዝተዓጀበ መልሲ ሂቡና። "ብባህልናን ሃይማኖትናን ስጋ ሓርገጽ ምብላዕ ፍቑድ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ኣነ ጥዒመዮ እየ። ጣዕሙ ከም ዓሳ እዩ። ቁሩብ ግን ጥንክር ይብል'ዩ። ስለዚ ሓሶት ምዝራብ እንታይ ክዓብሰለይ...[ሰሓቕ] እወ ጥዒመዮ" ኢሉ። ብዘይካ ንሱን ገለ መሳርሕቱን፡ ካልኦት ንዑደት ዝመጽኡ ኢትዮጵያውያን ነቲ ስጋ ክበልዑ ከም ዘይደፍሩ'ዩ ዝዛረብ። ካብ ደገ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ግን ብፍላይ ካብ ቻይናን ጣልያንን፡ ሓርገጽ ገዚኦም ክጥበሰሎም ብምግባር ከም ዝምገብዎ ገሊጹልና። "ሓንቲ እግሩ ብዘይ ጫማ ተመሊሱ" ቶማስ ከም ዝብሎ ክሳብ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ዑደተኛታት [ደቂ ዓድን ወጽእተኛታትን] ዘጋጠመ ሓደጋ የለን። ናብቲ ሓራግጽ ዝርከቡሉ ማይ ዝወደቑ ኣቑሑት ግን ናይ ምምላስ ዕድል የብሎምን። "ሓደ ንዑደት ዝመጽአ ሰብ፡ እቶም ሓራግጽ ክንቀሳቐሱ ከለዉ ምርኣይ ደልዩ፡ እግሩ ሓፍ ከብል ጀሚሩ። ሽዑ ጫምኡ ናብቲ ባስካ [ሓራግጽ ዝነብሩሉ ቦታ] ወዲቑ። እቶም ሓራግጽ ተጓዮም ነታ ጫማ ብምሓዝ ናብ ውሽጢ ኣትዮም። እንተሒዞም ድማ ኣይሰዱን። በዚ ምኽንያት እቲ ሰብ ሓንቲ እግሩ ብዘይ ጫማ ተመሊሱ" ኢሉ። ሞባይል ስልክታቶምን ካሜራታትን ዝወደቕዎም ዑደተኛታት ከም ዘለዉ'ውን ይዛረብ። "ሓደ ከኣ ካምችኡ (ሸሚዝ) ኣውጺኡ ከምበልብል ምስፈተነ እቶም ሓራግጽ ዘሊሎም መንጢሎምዎ" ክብል ተዘክሮታትቱ ኣካፊሉና። ኣይተ ቶማስ ኣቦ ሽድሽተ ቆልዑ እዩ። ምስ ሓራግጽ ተፋጢጦም ብዝረኽቦ ኣታዊ ስድራ የመሓድር። ኣብዚ ስራሕ 30 ዓመት መሊእዎ'ሎ። ኣብ ፍርጁ ልዕሊ 180 ዝደረቑ እንስሳታት ዘጽንሐ ኣሜሪካዊ ተኣሲሩ ፖሊስ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና፡ ንሓደ ኣብ ፍርጁ ከልቢ፡ ድሙን ኣዕዋፍን ዝርከብዎም 183 እንስሳታት ኣብ ፍርጁ ዘጽንሐ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ። እቲ ወዲ 43 ዓመት ሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድ ዝተብሃለ ተቐማጢ ኣሪዞና፡ ንገለ ካብቶም እንስሳታት ብህይወቶም እንከለዉ ናብ ፍርጅ ኣእቲዩ ከምዘድረቖም ንፖሊስ ተኣሚኑ። እቲ ውልቀ ሰብ 94 ክስታት ቀሪብሉ ኣሎ። ውሃቢት ቃል ፖሊስ ኣሪዞና ኣኒታ ሞርተንሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ካብቲ ቦታ ዝመጽኡ ኣሳእል ኣዝዮም ዘሰንብዱን ልብኻ ዝትንክፉን'ዮም" ኢላ። ንሳ ብምስዓብ "ኣነ እንስሳ ኣዝየ ስለዝፈቱ፡ ነቲ ስእሊ ምስ ርኣኽዎ ኣምሪረ'የ በኽየ" ብምባል፡ እቲ ኣሳእል ንሰብ ከተርእዮ ከቢድ ምዃኑ ተዛሪባ። ሰብ መዚ ፖሊስ ኣሪዞና፡ ሕጂ ንብዓልቲ ቤቱ ንሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድ ወይዘሮ ብሪክሊን ቤክ ይደልይዋ ከምዘለዉ ገሊጾም። ፖሊስ ካብ ጎሮባብቲ ሚካኤል ፓትሪክ ሓበሬታ ምስ በጽሖም'ዮም ናብ ገዝኡ ከይዶም። ሓንቲ ካብቶም ጎሮባብቲ ንሚካኤል ፓትሪክ ኣትማን ከፋርየላ ኢላ ምስ ሃበቶ ድሕሪ ኣዋርሕ ነቶም ኣትማን ስለዘጥፈኦም ክትረኽቦም ከምዘይክኣለት ገሊጻ። ብድሕሪ እዚ ንዋና እቲ ህንጻ ደዊላ ሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድን ብዓልቲ ቤቱን ካብቲ ገዛ ከምዝወጽኡ ምንጋራ ንፖሊስ ቃላ ሂና። ንሳን ዋና ገዛን ነቲ ገዛ ከፊቶም ኣብ ዝፈትሽሉ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛን ኣብ ገራጅን ኣብ ዝነበረ ሓያለ ፍርጅ ብዙሓት ዝደረቁ እንስሳታት ከምዝኸቡ ፖሊስ ኣረጋጊጹ። ኣትማና'ውን ምስቶም ዝደረቑ እንስሳ ከምዝጸንሕዋ እታ ውልቀሰብ ገሊጻ። ፖሊስ ንኹሉ እቲ ገዛ ኣብ ዝፈተሽሉ ዝደረቁ ኣኻልብ፣ ጎብየ፣ጠበቕ፣ ኣዕዋፍ፣ኣትማን፣ ደማሙን ማንቲለን ዝርከብዎም 183 እንስሳታት ከምዝረኸቡ ሓቢሮም። ድሕሪ 10 መዓልታት ሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድ ናብ ገዝኡ ምስ ተመለሰ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተውዎ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ። ሚካኤል ፓትሪክ ቱርላንድ ንምንታይ ነቶም እንስሳታት ኣብ ፍርጅ ኣእትዩ የድርቆም ከምዝነበረ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን ዘሎ። 10 ሽሕ እንስሳ ዘቤት ዝሓብሐበ ቻይናዊ ኣብ ቻይና ከተማ ውሃን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ተኸሰተ ብዙሓት ብሰንኪ መንግስቲ እታ ሃገር ዘውጽኦ ክልከለታት ነናብ ገዛውቶም ዘይተመልሱ ዜጋታት ነይሮም'ዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ ምስ ዝፈትውዎም ናይ ገዛ እንስሳት ናይ ምርኻብ ዕድል ዘይገጠሞም ብዙሓት እዮም። ዱ ፋን ዝተብሃለ ቻይናዊ ልዕሊ 10 ሽሕ እንስሳት ዘቤት ተንከባኺቡ ኣሎ። ውሉዳት ዓርዓር ነብሪ ምስ ኣደኦም ተራኺቦም ኣብ ህንዲ ግዝኣት ማህራሻትራ ሰለስተ ንኣሽቱ ዓርዓር ነብርታት ምስ ኣደኦም ዳግም ተራኺቦም። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዘይሕጋዊ መገዲ እንስሳታት የጉዓዕዝ ኣሎ ንዝብል ክሲ ነጺጉ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብህይወት ንዘለው እንስሳታት መሮር ብልዑል ጥንቃቐ ዓለምለኻዊ፣ ኣህጉራዊ፣ ሃገራዊ ሕጋጋትን መምርሒታት ውሽጣዊ ኣሰራርሓን ብምስዓብ ከም ዘጉዓዕዝ ገሊጹ። እቲ መገዲ ኣየር ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፡ ንንግዲ ዝውዕሉ እንስሳታት ዘገዳም ብሕማቕ ኣተሓሕዛ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ከም ዘጓዓዕዝ ሓደ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምግላጹ እዩ። 'ዎርልድ ኣኒማል ፕሮቴክሽን' ዝተሰመየ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ መገዲ ኣየር ካብዚ ተግባር ተቖጢቡ ንእንስሳታት ዘገዳም ምቹእ ክኸውን ኣለዎ ክብል ጸዊዑ። እቲ መገዲ ኣየር ብወገኑ "ከም ኣባል ዓለምለኻዊ ማሕበር መጉዓዝያ ኣየር፡ ሰብኣውን ሕጋውን ብዝኾነ መልክዕ እዩ ብህይወት ንዘለው እንስሳታት ዘጉዓዕዝ " ብምባል ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉ። እቲ ጸብጻብ እንታይ ይብል? ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ናይ መሮር እንስሳታት ብዝተፈላለዩ መገዲ ኣየራት ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተጓዒዞም ከም ናይ ገዛ እንስሳታት ንምግባር ናብ ዕዳጋ ከም ዝቐርቡ ይነግር። ቁጽሮም ብርክት ዝበለ ኣጥበውትን ለመም ዝብሉ እንስሳታትን ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም ዝተጉዓዙ ገሊጹ። ኣብ ንግዲ እንስሳ ዘገዳም ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ናይ መሮር እንስሳታት ብብዝሒ ኣብ ምጉዓዓዝ ዝተዋፈረ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ እቶም እንስሳታት ዝተሓዙሉን ዝጉዓዓዙሉን መገዲ ሕማቕ ምዃኑን ኣብ ብህይወት ዘለው እንስሳታት ኣብ ዝጓዓዓዙሉ እዋን ለበዳ ክኽሰት ከም ዝኽእልን ይሕብር። ብዙሕ እዋን በቲ መገዲ ኣየር ካብ ዝተጉዓዓዙ እንስሳታት ዘገዳም፡ ጠበቕ፣ ኣባጎብየ፣ ናይ ተመንን ናይ ዕንቅርቢትን ዓሌታት ከም ዝጥቀሱ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ። መብዛሕትኦም እቶም ዝተጉዓዓዙ እንስሳታት ዘገዳም ናይ ምጽናት ሓደጋ ዘንጸላለዎም፣ እኹል መረዳእታ ዘይተኣከበሎም ወይውን ቁጽሮም እናጎደሉ ዝመጹ ዘለዉ እዮም ኢሉ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቶም እንስሳታት ናብ ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያ፣ ታይላንድ፣ ሆንግ ኮንግ፣ ኦማን፣ ማሌዥያ፣ ጀርመን፣ ዓዲ ጥልያንን ብሪጣንያን ናብ ዝርከብወን ሃገራት ኣጓዓዒዙ ኣሎ። እቲ መገዲ ኣየር፡ ከም ናይ ገዛ እንስሳ ንምግባር፣ ንምዝንጋዕ፣ ንባህላዊ ሕክምናን ንፋሽንን ተባሂሎም ንንግዲ ዝቐርቡ እንስሳ ዘገዳም ምጉዕዓዝ ደው ከብል 'ዎርልድ ኣኒማል ፕሮቴክሽን' ሓቲቱ። እቲ መገዲ ኣየር ነቶም እንስሳታት ኣብ ዘጓዓዕዘሉ ንዓለምለኻዊ ማሕበር መጉዓዝያ ኣየር (ኣይኤቲኤ) ንዘቐመጦ መምርሒ ከም ዘየኽብር'ውን ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ። ኣብቲ ጸብጻብ ዓሌት ኣባጎብየ ዝኾኑ እንስሳ ዘገዳም፡ ብንእሽቶ መትሓዚ ተዓሺጎም ስለ ዝጉዓዓዙ ከም ዝሳቐዩ'ውን ሓቢሩ። ምላሽ 'ቲ መገዲ ኣየር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ጸብጻብ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንዝኾነ ዓይነት እንስሳ ዘገዳም ዘጓዓዕዝ ንዓለምለኻዊ ሕጋጋት ብምኽባር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቶም እንስሳታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ተጓዓዒዞም ንዝብል ክሲ ብትሪ ተቓዊሙ። እቲ መገዲ ኣየር እንስሳ መሮር ቅድሚ ምጉዕዓዙ እቲ ለኣኽን ተቐባልን ሕጋዊ ፍቓድ ከም ዘለዎም ከምኡ'ውን ኣድላዪ ናይ ጥዕና መርመራታት ምግባሮም ከም ዘረጋግጽ ኣፍሊጡ። ብዘይካ'ዚ እቲ መገዲ ኣየር ነቶም ሓደጋ ምጽናት ዘንጸላለዎም እንስሳታት ዘገዳም ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ክንክን ናብ ዝረኽቡሉ ስፍራ ብምጉዕዓዝ ንሓለዋ እንስሳ ዘገዳም ሓላፍነቱ ይዋጻእ ምህላው ገሊጹ። ሶማላውያን “ወልፊ ፃፀ ይተሓዙ” ምህላዎም ከምዘሻቐሎ ፖሊስ ኣፍሊጡ ፖሊስ ሶማል፡ ካብ ዓሌታት ፃፀ ሓደ ዝኾነን ‘ታፒኖማ ሴሲሌ’ ብዝብል ዝፍለጥን ዓይነት ፃፀ ብዙሓት ሰባት ይጥቀሙሉ ብምህላዎም “መዕወኒ ዕፅ እዩ” [ዕፀ ፋርስ] ክብል ኣጠንቂቑ። እቲ ብሳይንስ 'ታፒኖማ ሴሰለስ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓይነት ጻፀ፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከብ ኮይኑ፡ ‘ፎርሚክ’ ዝብሃል ኣሲድ የመንጭዉ። ፖሊስ ሶማል ብምርመራ ረኺበዮ ከምዝብሎ፡ ሰባት ነዚ ዓይነት ፃፀ ኣኪቦም ኣብ ማይ ብምብሳል ነቲ ዝወጽእ ሃፋ እናተዓጠኑ ልክዕ ከምቲ ሓሽሽ ብምጥቃም ዝፍጠር ፍሉይ ስምዒት ንምርካብ ይጽዕሩ ኣለዉ። ፖሊስ ነዞም ፃፀ ብምጥቃም ዝተፈለየ ናይ ስኽራን ወይ ናይ ምዕዋን ስምዒት ንምርካብ ንዝፍጸም ተግባር ልክዕ ዕፀ-ፋርስ (ሓሽሽ) ከም ምጥቃም ዝቖፅሮ ምዃኑ ኣጠንቂቑ’ሎ። እቲ ካብቶም ፃፀታት ዝወጽእ ‘ፎርሚክ’ ዝብሃል ኣሲድ ሓደገኛ ምዃኑ ድማ ክኢላታት ጥዕና ይገልጹ። ነቲ ኣሲድ ኣብ እትቃልዐሉ እዋን ከኣ ምድንዛዝ፣ ዕውልውል ምባልን ተምላስን ዘስዕብ ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ኣብ ኣካላት ጉድኣት ከምዘምፅእ’ዩ ተገሊፁ። ስለዚ፡ ሰባት ናብዚ ኣሲድ ከይቃልዑ ሓካይም ይምዕዱ። ካብዚ ዓይነት ፃፀ ብብዝሒ ዝበልዓ ኣዕዋፍ ‘ስኽራን’ ዝመስል ፍሉይ ባህሪ ከም ዝተርኣየን ብተደጋጋሚ ክግለፅ ፀኒሑ’ሎ።። ሓደ በዓል ስልጣን ጸጥታ ሶማል ‘ሶማሊ ኬብል’ ንዝተብሃለ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሰባት ተመሳሳሊ ስምዒት ንምርካብ ኢሎም ነዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይጥቀሙሉ ኣለዉ" ኢሉ። “ነቶም ፃፀ ኣኪቦም ድስቲ ኣብ ዝፈልሕ ማይ ብምብሳል፡ እቶም ሰባት ኣብ ዙርያ እቲ ድስቲ ከቢቦም ነቲ ሃፋ ይዕጠንዎ። ድሕሪኡ ናብ ዝተፈለየ ስሚዒት ይኣትዉ” ክብል ነቲ ኩነታት ኣረዲኡ። በዚ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ሓሽሽ ዝጥቀሙ ሰባት ዝፍጠር ስምዒት ናብ ዝመሳሰል ኩነታት ከምዝኣትዉ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኹ፡ ብዙሓት ሰባት ነቶም ፃፀ ኣኪቦም ብኸምዚ ኣገባብ ይጥቀሙሎም ስለዘለዉ “ሕጽረት” ከምዘጋጠመ ተዛሪቡ። ፖሊስ ነዚ ዓይነት ፃፀ ከም ናብ ዝርዝር ዓይነታት ዕፀ-ፋርስ ሰፊሩ ቁፅፅር ክገብረሉ ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር 100 ሚልዮን ፖውንድ ንኣብያተ ማእሰርቲ ሰሊዑ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዝርከብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሓለወአን ንኸጽንዓን ገበናት ንኽከላኸላን 100 ሚልዮን ፖውንድ ከም ዝተሰለዓለን መንግስቲ ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ፡ ከምቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዘሎ ኤሌክትሮኖካዊ መፈተሺ ኣብ ቤት ማእሰርቲ'ውን ከም ዝተኣታቶ ይሕብር። ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሶን፡ ብረት፡ ዕጸፋርስን ቴሌፎናትን ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይኣቱ ምግታእ፡ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ፋብሪካ ዘይጥዑያት ሰባት ካብ ምኳን ከም ዝከላኸል ገሊጹ። እዚ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን ዝግበሩ ገበናት ንምቁጽጻር ተወሰኽቲ 10,000 ኣብያተ ማእሰርታት ንምህናጽ 85 ሚልዮን ፖውንድ ክስላዕ ዘውጸኦ ውጥን ተኸቲሉ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ቦሪስ ጆንሶን ነዚ ሓዲስ ውጥንን መጠን ዝተሰለዐ ገንዘብን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ህዝቢ ፍትሒ ክካየድ እንከሎ ክርኢ ኣለዎ፡ ውሕስነት ከኣ ክስመዖ ኣለዎ" ኢሉ። እዚ ሕጂ ዘሎ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ዋላ'ኳ መቆጻጸሪ ስርዓት እንተሃለዎ፡ እዚ ተወሳኺ ዝተሰለዐ ባጀት ተወሳኺ መቆጻጸሪ ሜላታትን መግትኢ ገበናትን ከም ዝውዕል ቀዳማይ ሚኒስር ቦሪስ ጆንሶን ኣፍሊጡ። ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ማእሰርቲ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን፡ መጥቓዕቲ እሱራት ኣብ ልዕሊ እሱራት ከምኡ'ውን እሱራት ኣብ ልዕሊ ኣለይቲ እሱራት፡ ዝበዝሐ ዝተረኣየላ ወርሒ ኮይና እያ ተመዝጊባ ዘላ። ሚኒስትሪ ፍትሒ ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ተሰሊዑ ዘሎ 100 ሚልዮን ፓውንድ፡ ካብ ቤት ግምጃ ተሰሊዑ ብቐጥታ ኣብ መዓላ ከም ዝውዕል ገሊጹ ኣሎ። ብተወሳኺ እዚ ሓዲሽ ዝተሰለዐ ባጀት፡ ኤሌክትሮኒካዊ መቆጻጸሪ መሳሪሒታት ንምድልዳል፡ ነቶም ብሞባይል ናብቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ፡ ዕፈፋርስ ንኸኣቱ ዘወሃህዱ፡ መስመር ርክቦም ንኽዕፈን ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ እሱራት መጥቓዕቲ ዘውርዱ እሱራት ንምቁጽጻር ከም ዝውዕል ተገሊጹ። ከመይ ገይሩ ሓደ ሰራቒ፡ ሂወት ብዙሓት ዕሸላትን ቆልዑን ካብ ምዕማጽ ኣድሒኑ? ከመይ ገይሩ ሓደ ሰራቒ፡ ሂወት ብዙሓት ዕሸላትን ቆልዑን ካብ ምዕማጽ ኣድሒኑ? ኣብ ካሊፎርኒያ ዝነብር ዝነበረ፡ ዕሉል ሰራቒ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሰረቖ ካዝና ዕሸላትን ቆልዑን ክዕመጹ ከለው ዘርኢ ስእልታት ርእዩ ኣዝዩ ብምጉሃዩ፡ ነቲ ዝረኸቦ ስእልታት ናብ ፖሊስ ብቡስጣ ብምልኣኽ፡ ነቲ ጽዩፍ ተግባር ዝፍጽም ዝነበረ ሰብ ናብ ፍርዲ ንኽቐርብ ሓጊዙ። ነቶም ግዳይ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ቆልዑ ድማ ካብቲ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝነበሮ ጽዩፍ ተግባር ኣድሒንዎም። ማቲው ሃን ዝተባህለ ወዲ ካሊፎርንያ፡ ጌና ወርጠብ ከሎ ኢዩ ሓሽሽ ከዘውትር ዝጀመረ። ብሰንኪ ወልፊ ድሮጋ ድማ ጌና ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ትምህርቲ ኣቋሪጹ። ነቲ ናይ ሓሽሽ ወልፉ ንምዕጋብ ድማ ኣብ ስርቂ ተዋፊሩ። ማቲው፡ ብዘካየዶ ናይ ስርቂ ገበናት፡ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምሕላፍ ኣብ 2001 ተፈቲሑ። እንተድኣ፡ ዳግማይ ብዝኾነ ገበን ተኣሲሩ፡ ብመሰረት ሕጊ ካሊፎርንያ፡ ንሕልፈት ክእሰር ምዃኑ ተሓቢሩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኡ፡ "ንገለ ዓመታት ዝኾነ ገበን ከይፈጸምኩ ጽቡቕ ከይደ። ጽቡቕ ስራሕ ነይሩኒ፡ ትምህርተይ`ውን ብኮሌጅ ደረጃ ይቕጽል ነይረ። ሓደ መዓልቲ፡ እቲ ናይ ድሮጋ ኣመለይ ደጊሱኒ" ኢሉ ማቲው። ሓደ መተዓብይቱ ሂወቱ ምስኣጥፍአ፡ ናብቲ ናይ ቀደም ወልፉ ተመሊሱ። "ጠገለ ዘይብሉ ድሮጋ ክወስድ ብምጅማሩ፡ ናብ ስርቂ ተመሊሱ።" ሓደ ምሸት፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑ፡ ኣብ ሎስ ጋቶስ፡ ካሊፎኒያ፡ ዝሰረቖ ካዝና ሂወቱ ከድሕኖ ኢዩ። ነቲ ዝሰረቖ ካዝና ድሕሪ ምኽፋት፡ ሓመድ ዝተጸየቑ ገለ ናይ ህጻውንቲ ጨርቂ ሽንቲ [ዳይፐር] ኢዩ ረኺቡ - "ኣዝዩ ዘገርም ተመክሮ"። "ኣብታ ዝሰረቕኩዋ ካዝና፡ ብጀካ`ቲ ናይ ህጻን ጨርቂ ሽንቲ፡ ሽጉጥ፡ ስእልታት፡ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ኣብ ፍላሽ ዲስክ ዝተሰነዱ ስእልታትን ካልእ ቀንጠመንጥን ረኺበ። "ነቲ ኣብታ ፍላሽ ካርድ ተሰኒዱ ዝነበረ ስእልታት ንምርኣይ ድማ ኣብ ኮምፒዩተረይ የእትየ ክፍትሽ ጀሚረ፡ ዋና እታ ዝሰረቕኩዋ ገዛ፡ ዕሸላት ወይ ድማ ቆልዑ ይዕምጽ ከምዝነበረ ካብቲ ዝራእኩዎ ስእልታት ተረዲአ" ኢሉ ማቲው። እቲ ዝተዓዘቦ ነገር ጨሪሱ ክኣምኖ ኣይከኣለን። "እታ ፈለማ ዝራእኩዋ ስእሊ፡ ብሓቂ ንምእማኑ ዘሸግር ጉድ ኢየ ሪኤ። ፈለማ እንታይ ይርኢ ከምዘለኹ ንምእማኑ ኣሸጊሩኒ ነይሩ። ዳሕራይ ግና፡ ሓደ እኹል ሰብ ንሓደ ቆልዓ ክዕምጽ ከሎ ዘርኢ ስእሊ ኢየ ሪኤ" ኢሉ ማቲው። ነቲ ጉድ ድሕሪ ምርኣይ፡ ማቲው እንዳ ፖሊስ ብምኻድ፡ መንበሪ ኣባይቲ ሰይሩ ብምእታው ኣብዘካየዶ ስርቂ፡ ገበን ክፍጸም ከሎ ዘርኢ ጭብጢ ከምዝረኸበ ንፖሊስ ምሕባር ምርጭኡ ኣይነበረ። እንተኾነ፡ ነቲ ዝረኣዮ ገበን ደው ንምባል ገለ ኪገብር ከምዘለዎ ግና ተገንዚቡ። ዝኾነ ናይ ስርቂ ገበን ምፍጻም ድማ ንሕልፈት ክፍርዶ ከምዝኽእል ድማ ተረዲኡ። ኣብ መወዳእታ፡ ፖሊስ መታን ኣብ ልዕሊ`ቲ ሰብ ስጉምቲ ክወስዱ ድማ ነታ ፍላሽ ዲስክ ናብ ፖሊስ ብቡስጣ ክሰዳ ወሲኑ። ናይቲ ሰብ ስምን ኣድራሻን ብምጽሓፍ ድማ "በጃኻትኩም፡ ነዚ እንስሳ ዳጉንዎ" ዝብል ብምጽሓፍ ነታ ቡስጣ ናብ ፖሊስ ልኢኽዋ። ብድሕሪኡ፡ ብዛዕባ`ቲ ዝረእዮ ጉድ ንፖሊስ ከምዝሓበረ ነዲኡ ድሕሪ ምንጋር ኣብ ቴሌቪዥን ነቲ ዜና ክትከታተል ሓቲትዋ። ነዲኡ ብዛዕባ`ቲ ጉድ ክሕብራ ከሎ እታ ፍላሽ ዲስክ ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣቑሑ መሸጣ ከምዝነበራ ኢዩ ሓሲዩ ነጊርዋ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ናብ ወዳ ተሌፎን ብምድዋል፡ ምስቲ ጉዳይ ምትእስሳር ዘለዎ ሰብ ከምዝተታሕዘ ነጊራቶ። ኣትኪን፡ እቲ ነቲ ጉድ ዝፈጸመ ሰብ፡ ገዝኡ ከምዝተሰርቀ ንፖሊስ ሓቢሩ ነይሩ ኢሉ ማቲው። ፖሊስ፡ ነቲ ስእልታት ድሕሪ ምርካቦም፡ ንኣትኪን ብዛዕባ እቲ ኣብ ገዝኡ ዝተኻየደ ስርቂ ንምዝርራብ ብዝብል ጉልባብ ናብ እንዳ ፖሊስ ከምጽእ ጸዊዖሞ። ኣብቲ ዝተኻየደ መርመራታት ድማ ሮቤርትሶን ኣትኪን ነቲ ንምግላጹ ዘሸግር ጉድ ከምዝፈጸመ ተእሚኑ። ብመርበብ ሓበሬታ [ኢንተርኔት] ተሰሪቑ ናይ ዝተሸጠ ኣቑሑ ናይ ማቲው ኢድ ከምዘለዎ ምስተፈልጠ ብፖሊስ ተታሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶሞ። እቲ ዝሓዞ ፖሊስ፡ ንማቲው ይፈልጦ ስለዝነበረ ድማ "እንታይ ድኣ ረኺቡካ፡ ስርቂ ገዲፍካ ጹቡቕ ዶ ትነብር ኣይነበርካን" ኢልዎ። "ሓቅኻ፡ እንተኾነ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ገበን ዝፍጽም ዝነበረ ኣትኪን ግና ሂበኩም" ኢሉ መልሲሱሉ። ማቲው ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ፍርዱ ኣብ ዝጽበየሉ ዝነበረ እዋን፡ ዓቃብ ሕጊ ናይቲ ወረዳ፡ ናብ ማቲው ብምምጻእ ኣብቲ ኣንጻር ኣትኪን ዝተኸፍተ ክሲ፡ ነታ ካዝና ካብ መንበሪ ገዛ ኣትኪን ከምዝሰረቓ ክምስክር ሓቲትዎ። ማቲው፡ ኣብ 2001፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ወዲኡ ክወጽእ ከሎ፡ ዳግማይ ብስርቂ ኮነ ካልእ ገበን እንተድኣ ተኸሲሱ ንሕልፈት ክፍረድ ተበይንዎ ነይሩ። ድህሪ`ታ ፍጻመ ድማ፡ ናይ ኣትኪን ገዛ ሰሪቑ፡ ካልኦት ጋዛውቲ ብምስራቕ ዝሸጦም ኣቑሑ ድማ ተታሒዙ ተእሲሩ ስለዝነበረ ድማ ፍርዱ ስጋብ 400 ዓመት ክኸውን ከምዝኽእል ስለዝፈለጠ፡ ገለ እቲ ፍርዱ እንተተመሓየሸሉ ብምሕሳብ ድማ ከም ምስክር ኮይኑ ክቐርብ ፍቓደኛ ከምዝኾነ ገሊጹ። እትኪን በቲ ዝፈጸሞ ገበን ስጋብ 25 ዓመት ክፍረድ ተኽእሎታት ነይሩ። ብዝኾነ፡ ማቲው በቲ ንኣትኪን ናብ ፍርዲ ምቕራቡ ዝተሓጎሱ ሰባት፡ ማቲው ብመጠንቀቕታ፡ ብኣመክሮ፡ ክፍታሕ ክጠልቡ ከለው፡ ካልኦት ድማ እዚ ዕሉል ሰራቒ ንዓመታት ክፍረድ ኣለዎ ኢሎም። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንሸውዓተ ዓመትን ኣርባዕተ ኣዋርሕን ፈሪዱ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርት ምጽንሑ ድማ ተፈቲሑ። ማቲውን ኣትኪንን ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ኢዮም ነይሮም። ናይ ኣትኪን ገበን ከቢድ ስለዝነበረ ኣብ ጽኑዕ ክፍሊ ኢዩ ነይሩ፡ ማቲው ድማ ምስቶም ብቐንጠመንጢ ዝተኣስሩ ሰባት ኣብ ዝሕዝ ክፍሊ ስለዝነበረ ምስ እትኪን ተራኺቦም ኣይፈልጡን፡ ዋላ`ኳ፡ ማቲው ኣብቲ ናይ ኣትኪን ጉዳይ ቀንዲ ምስክር ኮይኑ ኣብ ሓደ ቤት ፍርዲ ኣብ ሓደ እዋን ይቐርቡ እንተነበሩ። ንኽልቲኦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብቲ ቤት ፍርዲ እትወስዶም ዝነበረት ኣውቶቡስ`ውን ኣብ ሓንቲ እንከላ፡ ኣትኪን ንማቲው ሪኢዎ ኣይፈልጥን። ምክንያቱ፡ ኣቲኪን ኣብ ውሽጢ እታ ኣብቲ ኣውቶቡስ ዝነበረት ጋቢያ ተታሒዙ ስለዝነበረ። ማቲው ግና ኣብቲ ዝሰረቖ ካዝና ዝረኸቦ ስእልታት ክዝክሮ ክኢሉ። "ኽልቴና ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ኣብ እንኸደሉ እዋን ሓንቲ ኣውቶቡስ ኢያ ትወስድና ነይራ፡ ኣትኪን ብሰንኪ`ቲ ዝፈጸሞ ገበን ኣብ ውሽጢ ጋብያ ይትሓዝ ስለዝነበረ ርእዩኒ ኣይፈልጥን ነይሩ። ኣነ ግና ብድሕሪት ኣብዝርከብ ኮፍ መበሊ ብካቲና ተእሲረ ይኸይድ ስለዝነበርኩ ይርእዮ ነይረ።" ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብዝነበረሉ እዋን፡ "ድሕሪ ደጊም ዝኾነ ይኹን ናብ ስርቂ ኣይምለስን ኢየ፡ እዚ ናይ መወዳእታት ተመክሮይ ክኸውን ኣለዎ" ይብል ነይሩ ማቲው። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ካብቲ ናይ ድሮጋ ወልፉ ንምክልኻል ይጽዕትን፡ ካብቶም ወለዲ ናይቶም ኣትኪንስ ዝዓመጾም ዝተለገሰሉ መጽሓፍቲ ድማ የንብብ ነይሩ። ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ማእሰርቲ፡ ትምህርቱ ብምቕጻል ካብ ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከብ ቤርክሊ ዩኒቨርስቲ ተመሪቑ። እንተኾነ፡ ብሰንኪ እቲ ናይ ስርቂ ዘመኑ፡ በቲ ዝተመህሮ ዓይነት ትምህርቲ ስራሕ ክረክብ ኣይከኣለን። ስለዚ፡ኤሌትሪሻን ኮይኑ። ድሕሪ`ዚ ኹሉ ተመክሮታቱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት ድማ፡ "ሕጂ ጽቡቕ ስራሕ ኣሎኒ" ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኮይኖም ድማ ገዛ ከምዝገዝኡ ገሊጹ። "ዘገርም ሂወት ይመርሕ ኣለኹ። ድሕሪ ደጊም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይምለስን ኢየ" ኢሉ ማቲው። እቲ ኩሉ ግዜ ዘጣዕሶ ጉዳይ፡ እቲ ኣብቶም ዘይፈልጦም ሰባት ዘውረዶ ሃስያ ኢዩ። እንተዝኾነሉ፡ ነቲ ጉዳይ እንተዘይፍጽሞ ምፈተወ ነይሩ። "እቲ ሕጂ ኪገብሮ ዝምነዮ ነቶም ዝበደልኩዎም ምኽሓስ ክኸውን ከሎ፡ ታሪኸይ ብምክፋል ድማ ካልኦት ብፍላይ ነቶም ብወልፊ ተጸሚዶም ዘለውን ካብቲ ወልፊ ንምንጋፍ ጻዕርታት ዘካይዱ ዘለው ካብ ታሪኽ ሂወተይ ክምሃሩ ምምዓድ ክኸውን" ኢዩ ኢሉ ማቲው። ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 11 ኪ.ግ ሓሽሽ ኮኬይን ከዘዋውራ ዝተረኸባ ደቂኣንስትዮ ተታሒዘን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 11 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ብምዝውዋር ዝተጠርጠራ ክልተ ደቂኣንስትዮ ኣብ ቀይዲ ኣትየን። ሚንስቴር እቶት ኢትዮጲያ ትማሊ [ረቡዕ] ብዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንምስግጋር ዝተፈተነ ልዕሊ 11ኪሎ ግራም ዝምዘን ሓሸሽ [ዕፀፋርስ] ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ። እቲ ተታሒዙ ዝተብሃለ ኮኬይን ኣብ ዕዳጋ እንተዝውዕል ልዕሊ 28 ሚሊዮን ብር ዋጋ ከምዝግመት እቲ ሚንስቴር ቤት ዕዮ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበጊሱ፡ ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ናብ ካልእ ቦታ ክሰግር ዝተሓሰበ ኮይኑ፤ ብምርመራ ሰራሕተኛታት ጉምሩክን ኣባላት ብሄራዊ ግልጋሎት መረዳእታን ድሕንነትን ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ። ሚንስቴር እቶት ከምዝሓበሮ፤ ነቲ ዕፀፋርስ ብምዝውዋር ዝተጠርጠራ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ተታሒዘን ኣለዋ። ክልቲአን ብዝተፈላለየ በረራታት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጓዒዘን ኣዲስኣበባ ከምዝበፀሓ'ውን ኣፍሊጡ። ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበገሰት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኖምዛም ግላዲየስ ቦዛ፡ ነቲ 7.4 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮኬይን ሒዛ ብኣዲስኣበባ ገይራ ናብ ህንዲ ከተማ ደልሂ ናይ ምጉዓዝ ትልሚ ነይርዋ። እታ ካልኣይቲ ተጠርጣሪት ድማ አንቲቃ ሱለይማን ቂዚ አባሶባ፡ ዜጋ ኣዘርባጃን ኮይና ካብ ሩስያ ከተማ ሞስኮ እያ ተበጊሳ። እታ ውልቀሰብ 4 ኪሎ ግራም ዝምዘን ኮከይን ሒዛ ብኣዲስ ኣበባ ገይራ ናብ ታይላነድ ባንኮክ ክትጓዓዝ ነይራ ተባሂሉ። ስሪላንካ፡ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ፡ ዓይነት ስራሕ ሓናቓይ፡ ብዝሒ ክልተ ስሪላንካ፡ ብቤት ፍርዲ ንዝተወሰነሎም ኣብ ምሕናቕ ዝሰርሑ ክልተ ሰባት ቆጺራ። ስሪላንካ ከምዚ ክትገብር ኣብ ውሽጢ 43 ዓመታት ንመጀመርታ ኮይኑ፡ ነቶም ብምዝውዋር ዕጸ ፍርስ ተኸሲሶም፡ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኸቡ 4 ሰባት ክሕነቑ ቤት ፍርዲ ውሳነ ስለ ዘሕለፈ፡ ነዚ ከተግብሩ እያ ነዞም ክልተ ሰባት ቆጺራቶም። ነዚ ናይ ክልተ ሰባት ናይ ስራሕ ቦታ ንምርካብ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ከም ዝተወዳደሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ተወዳደርቲ፡ ካብ 18-45 ዓመቶም ምሉእ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕና ዘለዎም ክኾኑ ከም ዘለዎም'ዮ እቲ ቅጥዒ ዝጠልብ። ኣብ ሞንጎ ነዚ ስራሕ ዘመልከቱ፡ ክልተ ኣሜሪካውያንን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝርከብዎም ብመንግስቲ ስሪላንካ እትውነን ጋዜጣ ደይሊ ኒውስ ሓቢራ። ወሃቢ ቃል ቤት ማእሰርቲ ስሪላንካ፡ እዞም ነዚ ስራሕ ዝተሓረዩ ክልተ ሰባት ክልተ ሰሙን ዝወስድ ናይ መወዳእታ ናይ ልምምድ እዋን ከም ዝህልዎም ሓቢሩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስሪላንካ ሓነቐቲ ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ክልተ ሰባት፤ እቲ ሓደ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ስራሕ ብፍቃዱ ክሰናበት እንከሎ፡ እቲ ሓደ ድማ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተቆጸረ ኮይኑ 'ክሰርሕ ድሌት ዘይብሉ' ተባሂሉ ተሰናቢቱ። ስሪላንካ፡ ኣብ ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ዝተረኸቡ ብማሕነቕቲ ክቅጽዑ ዝእዝዝ ሕጊኳ እንተለዋ፤ ካብ 1976 ንነጆ ብማሕነቕቲ ቀጺዓ ኣይትፈልጥን'ያ። ኣንጀሊና ጆሊን ስራሓ ምስ ስደተኛታትን ተዓዋቲት ሽልማት ኦስካር ኣሜሪካዊት ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣምባሳደር ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዩኤንኤችሲኣር ኮይና ድሕሪ ምጽናሓ ካብ ስልጣና ትወርድ ምህላዋ ገሊጻ። ጓል 47 ዓመት ኣንጀሊና ጆሊ፡ "ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገብሮ ብዙሕ ነገራት እኣምን እየ፡ ብፍላይ ድማ ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዘድሕኖ ህይወት" ክትብል ተዛሪባ። ብተወሳኺ "ሕጂ ምስተን ብቐጥታ ብግጭት ዝተተንከፉ ሰባት ዝምራሕ፡ ዝዓበየ ድምጺ ዝህባ ትካላት ክሰርሕ እየ" ኢላ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ገዚፍ ጽልዋ ዘለዎ ተጣበቕቲ መሰላት ስደተኛታት ምዃኑ'ውን ገሊጻ። እታ ኮኾብ ሆሊዉድ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ "ድሕሪ 20 ዓመታት፡ ሎሚ ካብቲ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝሰርሖ ስራሕ ይወርድ ኣለኹ" ኢላ። "ስደተኛታት ኣብ ዓለም ኣዝየ ዘድንቖም ሰባት እዮም፡ ምሉእ ህይወተይ ድማ ምስኦም ክሰርሕ ውፉይ እየ።" ኣንጀሊና ጆሊ ብዛዕባ እተን ክትሰርሓሎም ዝሓሰበት ትካላት ዝኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዩኤንኤችሲኣር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣንጀሊና ጆሊ "ኣብ ሰፊሕ ጉዳያት ሰብኣዊ ሓገዝን ሰብኣዊ መሰላትን ክትዋፈር እያ" ኢሉ። "ጆሊ ልዕሊ 60 ተልእኾታት ብምፍጻም ዛንታታት ስቓይ ከምኡ'ውን ተስፋን ጽንዓትን ንምምስካር ከይተሓለለት ሰሪሓ" ክብል እቲ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ ‘ሚስተር ኤንድ ሚስስ ስሚዝ’፡ ላራ ክሮፍት: ቶምብ ራይደር ካልኦት ሓያሎ ብሉጻት ፊልምታት ዝተዋስአት ኣንጀሊና ጆሊ ካብ 2001 ጀሚራ ምስ ዩኤንኤችሲኣር ብምስራሕ ኣብ 2012 ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ትካል ኮይና። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክሬን፡ የመን ከምኡ’ውን ቡርኪናፋሶ ምስ ዝተመዛበሉ ሰባት ተራኺባ’ያ። መካይን ረድኤት ንኲናት የገልግላ ኣለዋ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ መካይን ሰብኣዊ ረድኤትን ካልኦት እታወታትን ንወተሃደራዊ መዓላ የገልግላ ኣለዋ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ከሲሱ። ትማሊ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ከባቢ ዛና ረድኤት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ብስብርባር መጥቃዕቲ ድሮን ተሃሪማ ጕድኣት ከም ዝወረዳ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ መንግስቲ ነዚ ክሲ ኣቕሪቡ። ማዕከን ዜና ሮይተርስ ንወሃቢ ቃል እቲ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ጠቒሱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ መራሒ መኪና ከም ዝቘሰለን እታ መኪና ጉድኣት ከም ዝወረዳን ሓቢሩ። ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ነቲ ሓደጋ “ዘሕፍር ገበን” ክብል ብሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ገሊጹ። ቤት ጽሕፈት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ ህወሓት ተሽከርከርቲ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ኲናት ይጥቀም ኣሎ ክብል ከሲሱ። ህወሓት፡ ረድኤት ዘመላልሳን ካልኦት ተሽከርከርትን “ኣርማ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብምልካይ፡ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ብምምልላስ ንወተሃደራዊ ዕላማ ይጥቀም ኣሎ” ኢሉ። ስለ ዝዀነ፡ ትካላት ረድኤት ዝጥቀሙሎም ተሽከርከርቲ ንረብሓ እቲ ጕጅለ ከም ዘይወዓሉ ከረጋግጹ ኣተሓሳሲቡ። “ህልውና ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ንምኽባር ናይ ምክልኻል ስጕምታት ይውሰዶም ኣብ ዘሎ ከባቢታት፡ ትካላት ረድኤት ካብ ምንቅስቓስ ክቝጠቡ፡ መንግስቲ የጠንቅቕ” ክብል’ውን ጠቒሱ። እቲ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝነበረ ኲናት፡ ኣብ ነሓሰ ዳግም ክውላዕ እንከሎ ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ መጥቃዕታት ድሮን ከም ዝተፈጸሙ ይግለጹ። ነዚ ኣመልኪቱ መንግስቲ ፌደራል ዝበሎ ነገር’ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ግን ነበርቲ ካብ ወተሃደራዊ ዒላማታት ክርሕቁ ኣለዎም ዝብል መጠንቀቕታ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተጸበይቲ ረዲኤት፡ ዝበጽሖም ዝነበረ ሓገዝ ዳግም ከም ዘተዓናቐፎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓዊሱ ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ክገልጹ ጸኒሖም። ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ]፡ ብሰንኪ እቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ናብ ትግራይ ዘብጽሖ ዝነበረ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘቋረጸ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ገሊጹ ነይሩ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም’ውን፡ ኣብቲ ክልል 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ረድኤት ከም ዘድልዮን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ እንተዘይክኢሉ ሚልዮናት ንዝኸፍአ ሓደጋ ጥምየት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉን የጠንቅቕ። እቲ ኲናት፡ ብሰላማዊ ዝርርብ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ጻዕርታት ክግበሩ እንተጸንሑ’ውን ክሳብ ሕጂ ፍታሕ ኣይተረኽቦን። ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ እቲ ንኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቍራጽ ተጻብኦ ኣብቒዑ፡ ኣብቲ ዞባ ዳግም ኲናት ከምዝተወለዐ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ከም ዘለዉን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከም ዘሎን ይግለጽ። እዚ ኲናት፡ ዳግም ቅድሚ ምውልዑ ንኽልቲኦም ተራጸምቲ ሓይልታት ንምሽምጋል ኣዋርሕ ዝወሰዱ ጻዕርታት'ኳ እንተተገብሩ፡ እቲ ደማዊ ኲናት ደው ከብል ዘኽእል ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን። ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ስፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ። ብሰንኪ'ቲ ኲናት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ኣደዳ ጥምየት ክዀኑ እንከለዉ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን። ብፍላይ ኣብታ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ እትርከብ ክልል ትግራይ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ባንኪ፡ ተሌፎን፡ መብራህቲን መጓዓዝያን ብምቍራጹ ነበርቲ እታ ክልል ንሕሰም ተቓሊዖም ይርከቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምቁጽጻር ትግራይ እንታይ ኢሉ? ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፌደራል ሰራዊት 70% ክልል ትግራይ ከምዝተቖጻጸሩ ገሊጾም። ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “70% ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ቁጽጽር ምክልኻል ኢትዮጵያ” ኣትዩ'ሎ ኢሉ። ብተወሳኺ ኣብቶም ኣብትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት መንግስቲ ዘይኮኑ ከባቢታት ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ “ቅድሚ ሕጂ ብዘይተረኣየ መገዲ ይውሕዝ ኣሎ” ክብል ገሊጹ። እንተኾነ ግን፡ 35 መግቢ ዝጸዓና፡ ካልኦት 3 መድሃኒት ዝሓዛ መካይን ጥራይ ከምዝተላእካ'ዩ ጠቒሱ። ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጌታቸው ረዳ'ውን ነቲ ሓበሬታ ከምዝነጸጎ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ። "ኣብ ግምት ዝተመስረተ ህጹጽ መረዳእታ" ክብል ጌታቸው ምላሽ ከምዝሃበ እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ። ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ እቲ ክልል ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ጀሚሩ ብዘይገደብ ክኣቱ ምዃኑ ገሊጹ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ድሕሪ ሰዓታት ድማ "መግቢ ዝጸዓና 35 መካይን፡ መድሃኒት ዝጸዓና 3 መካይን ድማ ናብታ ከተማ በጺሐን ኣለዋ። በረራታት ተፈቒዱ ኣሎ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ብተወሳኺ መሰረታዊ ግልጋሎት ዳግም ናይ ምጅማር ስራሕ ይሳለጥ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ። "መሰረታዊ ኣገልግሎታት ይቕጽሉ ኣለዉ" ዝበለ እቲ ብዓልስልጣን፡ ነቲ ግጭት ንምቁራጽ ብመንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኣገልግሎት ክጅመር ጽቡቕ ዕድል ዝፈጥር'ዩ ኢሉ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ትማሊ ሓሙስ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ነቲ ግጭት ንምቁራጽ ስምምዕ እኳ እንተተበጽሐ መግቢ ይኹን መድሃኒት ናብ ትግራይ ከምዘይኣቱ ዘሎ ገሊጹ እዩ። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፤ “ዝኣቱ ነገር የለን። . . . ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብቕጽበት መግብን መድሃኒትን ናብቲ ዞባ ክኣቱ ትጽቢት ነይሩኒ። እዚ ኩነታት ግን ኣይፍጸምን ዘሎ" ኢሉ። ብተወሳኺ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ጥምየትን ብሕክምናዊ ፍወሳ ክፍወሱ ዝኽእሉ ሕማማትን ሰባት ይሞቱ ከምዘለዉ ሓቢሩ። እቲ ብቐንዱ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝእለ ዘሎን፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ኡሁሩ ኬንያታን ብመንጐኝነት ዝመርሕዎ ዘለውን ዘተ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምዃኑ ኣሜሪካ ሓቢራ ነይራ። ኣብ መንጎ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወከልቲ ትግራይን ኣብ ናይሮቢ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሎሚ ዓርቢ ክዛዘም ትጽቢት ይግበር። ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይን ተራኺቦም ንኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ዝምልከት ይዛተዩ ከምዘለው ጸብጻባት ይሕብሩ። ክልቲኦም ወከልቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ንምትግባር ክዘራረቡ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ክልተ ዓመቱ ዝመልአ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መኸተምታ ንምግባር፡ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ን10 መዓልቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ብ 2 ሕዳር ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ምፍራሞም ይዝከር። እቲ ስምምዕ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ዳግማይ ክጅመርን ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን ዝጠልብ እዩ። ኣብቲ ክልል ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት መግብን መድሃኒትን ብህጹጽ የድልዮም ከምዘሎ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ። ኣብ ከባቢ ሸራሮ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ሞትን ሰፊሕ ምምዝባልን ኣስዒቡ ተባሂሉ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉን ካብ ኣመሓዳሪ እቲ ከባብን ካብ ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ዝተረኸብ ሓበሬታ የመልክት። እቲ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ሃዲኡ ዝነበረ ኲናት፡ ኣብ መፋርቕ ነሓሰ ዳግማይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ጽዑቕ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻበት ይሕብሩ። ቢቢሲ ትግርኛ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ኦቻ] ዝረኸቦ ሰነድ፡ እቲ ኲናት ከም ብሓድሽ ምስ ተወለዐ፡ ኣብ ከባቢ ሸራሮ 210 ሽሕ ነበርቲ ከምዝተመዛበሉ የረድእ። ውግእ ይካየደሎም ኣሎ ካብ ዝበሃሉ ካልኦት ግንባራት ግን ሓበሬታ ምርካብ ኣይተኻእለን። በቲ ሰነድ መሰረት፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፡ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ 100 ሽሕ ነበረቲ፡ ካብ ከተማ ሸራሮ ድማ፡ 65 ሽሕ ነበርቲ ዝተመዛበሉ ኰይኖም፡ ኣብታ ከተማ ኣዕቝቦም ዝጸንሑ፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉ፡ 45 ሽሕ ሰባት ድማ ዳግማይ ተመዛቢሎም ኣለው። ብሰንኪ እቲ ኲናት ብሓፈሻ፡ ካብ ርሑቕ ዝትኮስ መድፍዕን፡ ኣብቲ ከባቢ ፍርሕን ስግኣትን ዘስዐበ ኰይኑ፡ ነበርቲ ሸራሮ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ መንበሪኦም ገዲፎም ከም ዝተመዛበሉ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ። ካብቶም ተመዛበልቲ፡ 15 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ዝርከብዎም፡ ኣስታት 90 ሽሕ ሰባት ናብ 7 ጐረባብቲ ቀበሌታት ከም ዝተፈናቐሉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የመልክት። ካብቶም ተመዛበልቲ ናብ ቀበሌታት ከላውሎ (26,691)፡ ከርኒ ወለቢት (18,439)፡ ኣጽረጋ (16,806) ክግዕዙ እንከለው፡ ዝተረፉ ድማ፡ ናብ ከባቢታት ዘላዝል፡ ጉና ጉንዲ፡ ድጉብ፡ ዝባን ገደና፡ ዓዲ ሃገራይን ዓዲ ዳዕሮን ዝበሃሉ ቀበሌታት ተመዛቢሎም ክብል እቲ ሰነድ ኣስፊሩ'ሎ። ገለ ካብቶም ከባቢታት፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ትዊተሩ፡ "ሰፊሕ ኲናት ይካየደሎም ኣሎ” ካብ ዝበሎም ኰይኖም፡ እዚ ሓድሽ ኵነታት ነቲ ከባቢ ዝበኣሰ ጸልይዎ ከም ዝኸውን ስግኣታት ኣሎ። ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኵሎም መራኸቢታት ስለዝተቛረጹ፡ ቢቢሲ ብመገዱ ነቲ ሓበሬታ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። እቶም ተመዛበልቲ፡ መግቢ፡ መጽለልን ሕክምናዊ ረድኤትን ኣብ ዘይረኽብሉ ሕማቕ ኵነታት ከምዝርከቡ፡ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ፡ ሰራሕተኛ ኣህጕራዊ ትካል ንቢቢሲ ሓቢሩ። ንሱ፡ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ከምዝነበረን፡ እቶም ተመዛበልቲ ብበዝሒ ህጻውንቲ፡ ኣደታትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ምዃኖምን፡ ዝዀነ ዝብላዕ ከምዘይብሎምን ኣብ ፈቘዶ ዓበይቲ ኣግራብ ኣጽሊሎም ከምዝረኣየን ይሕብር። ብዛዕባ እቲ ኵነታት ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኦቻ፡ ብስልኪ ንምዝርራብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን። ኲናት ይካየሎ ከምዘሎ ዝዝረበሉ ከባቢ ሸራሮ፡ ከቢድ ኣጽዋር ናብቲ ከባቢ ከምዝትኮስን ብሰንኩ ድማ ገለ ነበርቲ ግዳያት ከም ዝዀኑን እቲ ዝረኸብናዮ ሰነድ የመልክት። በቶም ካብ ካብ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ከምዝትኮሱ ዝተገልጹ ከበድቲ ኣጽዋራት፡ ብውሕዱ ዓሰርተ ሰባት ከምዝሞቱን እቲ ሓበሬታ የመልክት። እዚ ሓበሬታ ግን ብነጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ከንቲባ ሸራሮ ኣቶ ምሉብርሃነ፡ ንትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዝጸሓፎ ክታም ዝሰፈሮ ደብዳበ፡ ካብ ዕለት ነሓሰ 28 ጀሚሩ ክሳብ 2 ጳጉመ 2014 ዓ.ም፡ ሰለስተ ህጻናት ዝርክብዎም 8 ሰባት ብመድፍዕ ከምዝተቐትሉ ይገልጽ። ከምኡ'ውን ብ 2 ጳጉመ፡ 7 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም 23 ከም ዝተቐትሉ እቲ ደብዳበ ይጠቅስ። ብዘይካ'ዚ እቲ ደብዳበ፡ ካብ ዕለት 29 ነሓሰ ክሳብ 2 ጳጉመ፡ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም 10 ሰባት ብሕማምን ጥሜትን ሞይቶም ይብል። ብደብዳብ ከቢድ ብረት ድማ ብሓፈሻ 17 ሰባት ከምዝቘሰሉ እቲ ቢቢሲ ዝረኸቦ ደብዳበ የመልክት። ኲናት ኢትዮጵያ፡ ደሃይ ስድራ ዘይረኸቡ ተጋሩ ዳያስፖራ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይህልዉ? ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ልዕሊ ሓደ ዓመትን ሸውዓተ ኣዋርሕን ተቘፂሮም ኣለዉ። እቲ ኲናት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ኣሕሊፉ፣ ሚልዮናት ኣፈናቒሉን ግዳይ ጥምየትን መከራን ክዀኑን ከም ዝገበረ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መራኸቢ (ስልኪ፡ ኢንተርነትን ካልእን) ብምቍራጹ፡ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለዉ ስድራኦም ዝዀነ ደሃይ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ከቢድ ጭንቀትን ስነ ልቦናዊ ፀቕጥን ፈጢሩሎም ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ዘለው ተጋሩ ይዛረቡ። ኣብ ኣሜሪካ እትነብር ብርዛፍ ቅዱስ፡ ብቐጥታ ተሌፎን ይዅን መስመር ኢንተርነት ንቤተሰባ ካብ ዘይትረኽቦም ኣዋርሕ ከም ዝሓለፈ ትዛረብ። "ምስ ወለደይ፡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ንመወዳእታ ግዜ ብቐጥታ ብስልኪ ዝተራኸብኩሉ እዋን፡ ሰራዊት ትግራይ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቘፃፀረሉ እዋን'ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ 'ቲ መስመር ተቛሪፁ፡" ትብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ንህዝቢ ትግራይ ግዜ ፅሞና ንምሃብ" ብዝብል ሰራዊቱ ከም ዘውጽአ ዘገለፀሉ፤ ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ "ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓወት ብምርካብ" ንመቐለ ዝተቘፃፀሩሉ እዋን ወርሒ ሰነ ምንባሩ ይዝከር። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ እቲ ንዝተወሰነ እዋን ተመሊሱ ዝነበረ ኣገልግሎታት ስልኪ ኣብ ትግራይ እንደገና ተቛሪፁ። ኣገልግሎት ኢንተርነት ግን ካብ ጽባሕ ምጅማረ እቲ ኲናት ኣትሒዙ ከም ዝተቛረጸ ይዝከር። ብርዛፍ፡ እዞም ኣገልግሎታት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ብቪድዮን ስእልታትን ከይተረፈ ምስ ስድራኣ ብቐጻሊ ትራኸብ ከም ዝነበረት ትዝከር፣ እዚ ዕድል ግን ሎሚ የለን። ምዑዝ ግተት፡ ኣብ ቱርኪ ዝነብር ትግራዋይ ኰይኑ ንሱ'ውን ልክዕ ከም ብርዛፍ ንስድራኡ ካብ ዘይረኽቦም ኣስታት 11 ኣዋርሕ ኰይንዎ'ሎ። ብሰንኩ፡ ብፍላይ ኵነታት ወላዲ ኣቦኡ ድቃስ ከም ዝኽልኦ ይዛረብ። "ወላዲየይ፡ 80 ዓመት ዝገበረ ሽማግለ እዩ። ሕማም ነይርዎ፣ መጥባሕቲ'ውን ገይሩ ነይሩ። ሎሚ ኣብ ከመይ ኵነታት'ዩ ዘሎ? እንታይ ፀገማት ኣጋጢምዎ ይኸውን? እንታይከ ይበልዕ ይህሉ? ሕክምናኡ ይከታተልዶ? ዋላ ሓደ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፡" ይብል። ካብ ዓዲ ካብ ዝወጽእን ምስ ቤተሰቡ ካብ ዝፈላለን ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ዝገበረ ዘርእሰናይ ካሕሳይ ብወገኑ፡ ደሃዮም ዝፈልጠሉ እንኮ ኣማራጺ ስልኪ ወይ ኢንተርነት'ዩ ነይሩ። ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ንደሓር ግን ነዚ ዕድል ስኢኑ ድሕሪ ምፅናሕ ቅድሚ፡ ወርሒ ሰነ እናተቘራረጸ ይሰርሕ ብዝነበረ ስልክን ኢንተርነትን ይረኽቦም ከም ዝነበረ ይዛረብ። "ብተደጋጋሚ ይቋረፅን ይጅምርን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምስ ኣሓተይ እራኸብ ነይረ፣ ነደይን ካልኦት ቤተሰበይን ይረኽቦም ነይረ። ድሕሪ ሰነ ግን ዝረኸብክዎ ቤተሰብ የለን፡" ይብል። እዞም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ተጋሩ፡ ሓሓሊፉ ገለ ኣገልግሎት ሳተላይት ኢንተርነት ዝረኽቡ ሰባት ብዛዕባ ደሃይ ስድራኦም ከምዝሕብርዎም ይዛረቡ። እንተዀነ ነቶም ቅድሚ'ቲ ኲናት መዓልታዊ ወይ ሰሙናዊ ብድምጺ ዝረኽብዎም ዝነበሩ ስድራኦም ሎሚ፡ ድምጾም ክሰምዑ ወይ ገጾም ክርእዩ ዘይምኽኣሎም፡ ኵነታት ድሕነቶምን ሃለዋቶምን ከም ዘጨንቘም ንቢቢሲ ሓቢሮም። ናብራናን ጥዕናናን! ኲናት ካብ ዝጅምር ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ወለዶም፡ ኣሕዋቶም፡ ኣሓቶምን ካልኦት ኣዝማዶምን ተራኺቦም ዘይፈልጡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ተጋሩ ዲያስፖራ ብዙሓት'ዮም። ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ካብ ዝቋረጽ፡ ግዜ እናነውሐ ብምምጽኡ፡ ሃለዋትን ድሕነትን ስድራ ካብ ምጭናቕ ሓሊፉ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወትን መነባብሮን ከቢድ ፅልዋ ከሕድረሎም ከምዝጀመረ ይዛረቡ። "እንታይ ኰይኖም ይኾኑ? ጠምዮም'ዶ ይህልዉ? ጠምዮም'ዶ ይህልዉ? ዝብል ነገር ኣብ ዘይትፈልጠሉ ኵነታት፡ ውሽጣዊ ሰላም ክስምዓካ ክትረጋጋእን ኣይትኽእልን፡" ትብል ኣብ ኣሜሪካ እትነብር ብርዛፍ። ነቲ ንሳን ካልኦት ኣብ ደገ ዝነብሩን ተጋሩን ደሃይ ስድራ ከይረኸቡ ውሽጦም እናደመየ ዘሕልፍዎ ዘለዉ እዋን፡ "ዘይከኣል ክኢልና ኢና ንኸይድ ዘለና፡" ክትብል ትገልፆ። "ውሽጥና እንተዝርአ ከቢድ ግዜ ኢና ነሕልፍ ዘለና። በዚ ምኽንያት ኣብ ጥዕናና፣ መነባብሮናን ስራሕናን ንፍተን ኣለና፡" ብምባል፡ ብወገና ክሳብ ምቍራጽ ስራሕ ከም ዝበጽሐት ትዛረብ። ዘርእሰናይ ድማ ደሃይ ቤተሰብ ክሰምዕ ዘይምኽኣሉ ኣብ ህይወቱ ከቢድ ፅልዋ ከምዝፈጠረሉን፡ ንሕማቕ ኵነታት ከም ዝተቓልዐን ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ። "ካብ ቤተሰብ ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልየ ስለዝጸናሕኩ፡ እዚ ኵነታት ንህይወተይ ብጣዕሚ ፀልይዎ'ሎ። ቅድሚኡ ዘይፈልጦ ጨጐራይ ክሳብ ምሕማም በፂሐ፡" ብምባል ኵነታቱ ይገልጽ። ብሰንኪ ጭንቀትን ሻቕሎትን ናብዚ ሕማም ከም ዝተቓልዐ ዝዛረብ ዘርእሰናይ፡ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ምሉእ ጥዕናኡ ክምለስ ኣይከኣለን። "እዚ ኵነታት ኣባይ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ብዙሓት ሰባት'ውን ዝረኣኽዎ እዩ። ሕርቃን፡ ሻቕሎት፡ ምስቍርቋርን ናፍቘትን ተደራሪቡ ክሳብ ሎሚ ብህይወት ምህላው ተመስገን ዘብል እዩ፡" ይብል። "ርእስና ትኽክል የለን" ንሱን በዓልቲ ገዛኡን ኣዝዩ ከቢድን ፈታንን እዋን ክሓልፉ ይግደዱ ምህላዎም ዝዛረብ ምዑዝ ብወገኑ፡ "ይትረፍዶ ሰላማዊ መዓልቲ ውዒልካ ክትሓድር፡ ብግቡእ ተመጊብካ ክትትስእ ከቢድ ዝዀነሉ እዋን እዩ፡" ክብል የረድእ። ኣብ ስራሕ ይዅን ካልኦት ትልሚታቱ ትዅረት ገይሩ ንኸይሰርሕ ከቢድ ጽልዋ ከምዘሕደረሉ ድማ ይዛረብ። "ክትሓስብ ኣይትኽእልን። ስራሕካ ብመሰረት ዝሓዝካዮ ውጥን ክትሰርሕ ትፅገም። ርእስና ትኽክል የለን፡" ብምባል፡ ኵሉ ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ዝርከበሉ ኵነታት ይገልፅ። ኣስዒቡ፡ "ክንዲ ዝዀነ ይዅን ትብዓት ወይ ጥንካረ እንተሃለወካ'ውን ነዚ ዅሉ ተፃዊርካ ናብ ንቡር ህይወትካ ምምላስ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡" ኢሉ። ካልኦት ብቐረባ እትፈልጦምን ኣብቲ ንሳ ዘላትሉ ኣሜሪካ ዝነብሩን ተጋሩ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ንደሓር ደሃይ ስድራ ብዘይምርካቦም ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከም ዘለው ብርዛፍ ዝተዓዘበቶ ትገልጽ። ሰላማዊ ኵነታት ክምለስ፡ እቲ ተሓቢኡ ዘሎ ሰኣን መራኸቢ ዘይተነገረን ኵነታት ስድራ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ደሃይ ቤተሰቦም ብሃንቀውታ ዝፅበዩ ተጋሩ ዲያስፖራ ከቢድ በሰላ ዝገድፍ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት ሓቢሮም። ብርዛፍ፡ ዘርእሰናይን ምዑዝን ኵነታት ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ምስ ቤተሰቦም ዳግም ዝራኸብሉ መዓልቲ ብተስፋ ከም ዝፅበዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።ልጽ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት ሕክምና ሕሙማት ይሞቱ ከምዘለዉ ሓካዪም ገሊጾም ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ሕክምናዊ ቀረባትን ኣፋውስን ህጻናት ዝርከብዎም ተሓከምቲ ይሞቱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ሓቢሮም። ሓካይም ናይቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኣብቲ ክልል ዝዓበየ ሆስፒታል ዓይደር ንሮይተርስ ብቴለፎን ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ብሰንኪ ስእነት ከም መጀነኒ 'ጎዝ'ን 'ኢንትራቨነስ ፍልዪድ' (ሓይሊ ዝህብ ፈሳሲን) ዝበሉ መሰረታዊ ሕክምናዊ ነገራት ብምስኣኖም፡ ክልተ ቆልዑ ከምዝሞትዎም ተዛሪቦም። እቶም ሰብሞያ ከምዝሓበርዎ፡ 117 ሰባት ኣብቲ ሆስፒታል ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዙሓት ካልኦት ጸገማት ኣጋጢምዎም ኣሎ። እቲ ሞት መዓስ ዘጋጠመ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣይገለጹን። ጠንቂ ናይቲ ሕጽረት፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ኣንቢርዎ ዘሎ ዕግታ ምዃኑ'ዮም እቶም ሓካይም ዝዛረቡ። እንተኾነ ግን፡ ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕግታ የለን ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ። "ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ትግራይ ዘጋጠም ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ሓላፍነት ናይ ህወሓት'ዩ" ከምዝበለ ድማ ሮይተርስ ጠቒሱ። እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ። እቲ ካብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ 2021 ጀሚሩ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ-ትምህርቲን ሰፊሕ ዕንወት ምውራዱ ትካላት ረዲኤትን ሰብመዚ ጥዕናን ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም። ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት ስሩዕ ዘይምዃኑን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ምድንጓይን ምትዕንቓፍን ከጋጥሞ ምጽንሑ ትካላት ረዲኤት ከማርሩ ጸኒሖም ይፍለጥ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ናብ ትግራይ ከምዝኣትዉ ብምግላጽ፡ ከምዘይዓንቀፎም'ዩ ዝምጉት። ሓደ ላዕለዋይ ሓኪም ሆስፒታል ዓይደር ከምዝበሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ 80 ክሳብ 90 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኣቋሪጸን ኣለዋ። ኣብቲ ክልል ሕጂ'ውን ኣገልግሎት መራኸቢታት ተዓጽዮም ብምህላዎም፤ እቲ ኩነታት ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ከቢድ ኮይኑ ይርከብ። 500 ዓራት ዘለዎ ሆስፒታል ዓይደር፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ተወሳኺ ሕክምናዊ ቀረብን መሳርሒታትን ከምዘይተዋህቦ ሰለስተ ሓካይም ናይቲ ሆስፒታል ንሮይተርስ ሓቢሮም። "ቀንዲ ስራሕና ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ምሃብ ኮይኑ ይርከብ" ክብል እቲ ሆስፒታል ንዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ይገልጽ። ዘይስሩዕ ሓይሊ ኤለክትሪክን ቀረብ ኦክስጅንን ጠንቂ ሞት ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ካልኦት ሕጽረታት ተደሚሩ መጥባሕቲ ምክያድ ኣብ ዘይክኣለሉ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ እቶም ሓካይም ገሊጾም። ኣብ ክፍሊ መጥባሕቲ ርእሲ ዝነበራ ስካነራት'ውን ዓዲ ውዒል ከምዝኾና ሓቢሮም ኣለዉ። ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒታት ገለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ከምዘቋረጹ ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ገሊጹ ነይሩ። እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት መንግስትን መላፍንቱን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ዕንወትን ጥምየትን ኣስዒቡ ምህላዉ ሰብመዚን ትካላት ረዲኤትን ይምስክሩ። ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ። ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ጽባሕ ሓሙስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ትጽቢት ይግበር። ሮይተርስ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጠቒሱ፡ ፌልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዝርራብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ከብቅዕ ጸቕጢ ክፈጥር ምዃኑ ጸብጺቡ'ሎ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምጉህሃር ጎንጺ ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ዘተ ዕንቅፋት ከይኸውን ኣጠንቂቑ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እናተጋደደ ምምጽኡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር ክካየድ ንዝድለ ዝርርብ የስግኦ ምህላው ኣጠንቂቑ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ጄፍሪ ፌልትማን ትማሊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ንሱ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ናብ መስርሕ ዘተን ድርድርን ንኽኣትው ዘኽእል ውልዶ መስርሕ ዘተ'ኳ እንተሃለወ ኣብ ባይታ ግን ንሃገራዊ ርግኣትን ሓድነትን ዘስግኡ ምዕባለታት ምህላዎም ኣዝዩ የተሓሳስበና ኣሎ ኢሉ። እቲ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ጠጠው ንክብልን ሰላማዊ ፍታሕ ንክመጽእን ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤውሮጳን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘተ ክግበር ጻዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ይፍለጥ። እቲ ካብ ትግራይ ተላዒሉ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝልሓመ ኲናት ጠጠው ንክብል ኣመሪካ ምስ ኬንያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባት ትሰርሕ ምህላዋ ይግለጽ። ብፍላይ ነዚ ኣመልኪቱ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኦሎሶንጎን ኦባሳንጆ ብምዃን እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት: ኲናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ክብሉ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ዘለው ሚልዮናት ህይወቶም ንምድሓን ረድኤት ክበጽሕ ባይታ ክጣጣሕን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ተበጻሕቲ ክኾኑን ክሰርሕ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ኣብ ልዝብ ዝተሞርኮሰ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ዘኽእል ባይታ ምህላው ዝሓበረ ፌልትማን፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝቐርቡ ዘለው ጠለባት ኣመሪካ ቕቡል ከም እትገብሮም ተዛሪቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብሰንበት ንፌልትማን ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሓይልታት ትግራይን ህወሓትን ካብ ዝሓዙዎም ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ምውጻእ" ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ከም ዝኾነ ክገልጸሉ እንከሎ፤ ሓይልታት ትግራይን ህወሓትን ብወገኖም "ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዘይተኣወጀ ዕጽዋ ምስባር" ከምዝጠልቡን ኣመሪካ ንኽልቲኡ ዕላማ ከም እትቕበሎን ፌልትማን ተዛሪቡ። ፖለቲካዊ ድልየት እንተሃልዩ፡ ክልቲኡ ሸቶ ተጻባኢ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ፌልትማን፤ "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክልቲኦም ወገናት ድልየታቶም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምፍታሕ እዮም ዝፍትኑ ዘለው፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ጫፍ ዓወት ከም ዘለው ይኣምኑ" ኢሉ። ካብዚ ብዝብገስ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን መራሕቲ ህወሓትን ክልቲኦም ወተሃደራዊ ዓወት ይረኽቡ ከም ዘለው'ዮም ዝኣምኑ ኢሉ። ይኹን'ምበር "ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለን ኣማኢት ኣሽሓት ግዳያት ዝገበረን ዘመዛበለን ጎንጺ ወተሃዳራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ክፍለጥ ኣለዎ" ክብል ጄፍሪ ፌልትማን ኣገንዚቡ። ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝግስግሱ እንተኾይኖም ዘይቕቡልን ዝኸፍአን ከም ዝኸውን'ውን ኣጠንቂቑ። ብተወሳኺ መንግስቲ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝዓግቱ ዘለው ማሕለኻታት ክኣልዮምን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ከብል ኣለዎ ኢሉ። እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓኹ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ኣሽሓት ሰባት ከምዝኾነ ይግለጽ። ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ዝርከቡ ልዕሊ ሽድሽተ ሚሊየን ሰባት ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም እንትግለጽ፡ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኩሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም፣ ረድኤት ምእታው ከም ዘይጀመረ ይፍለጥ። ሃገራት ምዕራብን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ጠጠው ብምባል ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ብተደጋጋሚ ይሓትቱ ኣለዉ። ኣመሪካ ተጻብኦታት ጠጠው ክብሉ ኣለዎም ካብ ምባል ሓሊፋ ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ'ዮም ወይ'ውን እቲ ኲናት ንክናዋሕ ምኽንያት ኮይኖም'ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብመዚ ኤርትራን እገዳ ከም ዝገበረት ይዝከር። ብተወሳኺ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ምኽንያት ብምግባር ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓ ካብ እትረኽበሉ ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ ክትእገድ ወሲና እያ። እዚ ኲናት ጠጠው ንምባል ኣመሪካ ምስ ኬንያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባት ትሰርሕ ምህላዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ምብጻሕ ዝገበረ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሩ ነይሩ። ብፍላይ ነዚ ኣመልኪቱ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኦሌሶጎን ኦባሳንጆ ብምዃን፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ኲናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ክብሉ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ዘለው ሚልዮናት ህይወቶም ንምድሓን ረድኤት ክበጽሕ ክመቻቾን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ተበጻሕቲ ክኾኑን ይስራሕ ኣሎ ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ኲናት ተገዲደ ዝኣተኹዎ'ዩ ክብል ጸኒሑ። ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ንምኽፋትን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ዝርከቡ ግዝኣታት ትግራይ ሓራ ንምውፃዕ ይዋግኡ ከምዘለዉ'ዮም ዝገልፁ። ሃገራት ምዕራብ ግን እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዝኾነ ገደብ ንክበጽሕ ክፍቀድን ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ። መንግስቲ ብወገኑ እዘን ሃገራት ንህወሓት ድጋፍ ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ክልውጣ ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ ክብል ይኸስስ። ህወሓት ብመንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መዝገብ ሽበራ ዝሰፈረ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝግበር ኲናት ንክድግፍን ክዘምትን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዝገበረ ይፍለጥ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ይርከብ። ብሰኑይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ እቲ ኲናት ካብ ግንባር ኮይኑ ንክመርሖ ከም ዝዘምት ገሊጹ ነይሩ። ኣሜሪካ፡ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣማራጺታት ትርእይ ከምዘላ ገሊጻ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ምስቲ ካብ ትግራይ ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣማራጽታት የናድይ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እታ ሃገር ነቲ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ዘሎ ቅልውላው ምላሽ ንምሃብ ቁጠባዊ ማዕቐባት ምንባር ሓዊሱ ንዘለዉ ኩሎም ኣማራጽታት ትግምግም ከምዘላ ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኔድ ፕራይስ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ምስ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ርክብ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወገናት እገዳ ክግበር ዘኽእል መምርሒ ምፍራሙ ዝዝከር እዩ። እቲ መምርሒ፡ ጸሓፊ ክፍሊ ገንዘብን ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ'ቶም በቲ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ተሓተቲ'ዮም ዝበልዎም ወገናት ማዕቀብ ከንብሩ ስልጣን ዝህብ'ዩ። እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ቀልጢፎም ናብ ዘተ ሰላም እንተዘይኣትዮም ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ተግባራዊ ክግበር ከምዝክእል ኣጥንቂቑ ምንባሩ ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒሰተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነዚ ምላሽ ኣብ ዝመስል ቅሉዕ ደብዳበ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ 'ኣድለኣዊ' ክብል ነቒፉ። መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም፡ ቅድም ነቲ ጻውዒት ሰላም ከምዝቕበሉን ንዘተ ቅሩባት ምኳኖምን ምግላጾም ዝዝከር እዩ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሰደር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሕዚ ወኪል ህወሓት ፍስሃ ኣስገዶም፡ ሕዚ'ውን ውድቡ ንሰላም ቅሩብ ምዃኑ ብሰሉስ ንፎከስ ረድዮ ቢቢሲ ተዛሪቡ። "እዚ ኲናት ናይታ ሃገር ሓድነት ንሓደጋ ዘሳጥሕ እዩ" ብምባል፡ ብሰላማዊ ዘተ ጥራይ ክውዳእ ከምዝኽእልን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተኣዊጁ ዘሎ ዕጽዋ ንምኽፋት ተገዲዲም ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ህልውና ኲናት ምዃኑን ሓቢሩ። ----- ብተዛማዲ ዜና፤ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ሕብረት ኣውሮጳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ኢትዮጵያ ዘትዮም ኣለዉ። ኣቦ መንበር ኢጋድ ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፣ ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሰፍ ቡረል፣ ሚንስተር ጉዳይ ወጻኢ ጀርመንን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወካሊ ፈረንሳን ኣብቲ ዘተ ከምዝተሳተፉ እቲ ወሃቢ ቓል ሓቢሩ። ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ብቕልጡፍ ናብ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክኣትዉን ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍን ክገብሩን ድማ ተሳተፍቲ ኣኼ ኣተሓሳሲቦም። ተሳፍቲ እቲ ጎንጺ ንዓለም ለኻዊ ሕግታት ብምኽባር ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ንኽበጽሕ ከፍቅዱ ምጽውዖም እቲ ወሃቢ ቓል ወሲኹ ገሊጹ። ቅድሚ እዚ ኣኼባ፡ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ ብምርኻብ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ’ሎ። መራሒ ናይጀርያ ነበር ኦባሳንጆ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንኽፍታሕ ንተጻባእቲ ሓይልታት ክሽምግሉ ከምዝተወከሉ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተወለዐ ኲናት ምኽንያት ምፍንቓል ሚልዮናት ሰባት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ንኻልኦት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት’ውን ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከምዘውደቐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ረድኤት ከይኣትው ማሕለኻ ከምዝፈጠረ ክስታት እንተቐረበሉ’ኳ፤ ነቲ ክስታት ኣይቕበሎን። ንሓይልታት ትግራይ እዩ ዝኸስስ። እቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ኲናት ንዝተወሰነ እዋን ሃዲኡ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ኣብዚ ቕነ ግን ከቢድ ውግእ ተጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። እቲ ብመንግስቲ ፌዴራል ዝተኸፍተ መጥቃዕቲ “ብኸበድቲ ኣጽዋር፣ ታንኪ፣ ሮኬታት፣ ድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ዝተሓገዘ” ከምዝኾነ ብወገን ትግራይ ዝወጸአ መግለጺ የመልክት። እቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምጅማሩ ብዝምልከት መብርሂ ንኽትህብ ዝተሓተተት ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም፡ "መንግስቲ ንዜጋታቱ ካብ ናይ ሽበራ መጥቃዕትታት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ” ካብ ምባል ወጻኢ ዝርዝር ምላሽ ካብ ምሃብ ከምዝተዓቀበት ሮይተርስ ጸብጺቡ። ንገዛእ ርእሰይ ካብታ ወይዘሪት ቁንጅና ዓለም ኣትሒተ ኣይርእያን' ህንዳዊት ሰኒሃ በዓል ቤታ ክርቢት ሸርጢጡ ሰብነታ ኣቃጺልዋ። ክትቃጸል እንከላ ህጻን ወዲ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ወዳ ርእይዋ። ንሳ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ወዳ ኮነ በዓል ቤታ ኣበይ ከምዘለዉ ኣይትፈልጥን። ንገዛእ ርእሳ ካብታ ወይዘሪት ቁንጅና ዓለም ኣታሒታ ኣይትርእያን'ያ። ሚስጥር ናይቶም ኣብ ኬንያ ዝጠፍኡ ክልተ ህንዳውያን ዙልፊቃር ኣሕመድ ካን ቅድሚ ምጥፋኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብቲ ንዕረፍቲ ዝጸንሐሉ መዕቆቢ ጸወታታት ማሳይ ማራ ኬንያ፡ ሓደ ኣንበሳ ዝጉህር ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ። "ስሕበት ዝመልኦ ንግሆታት ኣብ ማሳይ ማራ። በቃ ምስ ሲምባ ትራኸቡሉ ናይ መጀመርታ ህሞት ሕሰብዎ። ቁርሲ ንቐደም በሉ?" ሚስጥር ናይቶም ኣብ ኬንያ ዝጠፍኡ ክልተ ህንዳውያን ዙልፊቃር ኣሕመድ ካን ቅድሚ ምጥፋኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብቲ ንዕረፍቲ ዝጸንሐሉ መዕቆቢ ጸወታታት ማሳይ ማራ ኬንያ፡ ሓደ ኣንበሳ ዝጉህር ቪድዮ ኣካፊሉ ነይሩ። "ስሕበት ዝመልኦ ንግሆታት ኣብ ማሳይ ማራ። በቃ ምስ ሲምባ ትራኸቡሉ ናይ መጀመርታ ህሞት ሕሰብዎ። ቁርሲ ንቐደም በሉ?" ዝብል ሕጉስ ጽሑፍ ጽሒፉ። እዚ ወዲ 48 ዓመት ህንዳዊ በዓል ሞያ፡ ዋና ኦፕሬቲንግ ኦፊሰር ናይቲ ኣብ ሙምባይ ዝመደበሩ ኩባንያ ቲቪ ባላጂ ቴሌፊልምስ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ካን ኣብ ሊንክድኢን ፕሮፋይሉ "ኣብ ውጽኢት ዝመርሖ፡ ኣብ ሰባት ዘተኮረ መራሒ ንግዲ" ይብል፡ ኣብ ኩባንያታት ፈነወን ዲጂታላዊ ሚድያን ንልዕሊ 19 ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎ፤ ከምኡ'ውን "ልዑል ጸዓት፡ ብብቕዓት ዝምራሕ ኣሰልጣኒ፡ መምህርን ኣካያዲ ስራሕን" ከምዝኾነ ይገልጽ። ካን ኣብ ወርሒ ሰነ ስራሑ ድሕሪ ምቁራጹ፡ ንሓደ ወርሒ ናብ ኬንያ ተጓዒዙ። ናይ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ፕሮፋይሉ ኣብታ ሃገር ብዝሰኣሎም ቪድዮታትን መሊኡ ነይሩ። ቅድሚ ምጥፋኡ ኣርባዕተ መዓልቲ ናብ ኣዕሩኽቱ ክድውል ከሎ ብዛዕባ ኬንያ ምፍላጡ ሕጉስ ይመስል ነይሩ። ሓደ ካብኣቶም ኣዕሩኽቱ፡ እቲ ን24 ዓመታት ዝፋለጡ ኣብ ደልሂ ዝሰርሕ ሞያ ራጂቭ ዱቤይ እዩ። "ኣዝዩ ሕጉስ ይመስል ነይሩ። ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ምስ ገለ ኣዕሩኽቱ ብዛዕባ እንስሳ ዘገዳም ነዊሕ ኣዋጊዑ ነይሩ፡ ነታ 'ውቅብቲ' ሃገር ክበጽሕዋ ድማ መኺርዎም" ይብል ራጂቭ ዱቤይ። ካን ንኣዕሩኽቱ፡ ኣብ ዕለት 24 ሓምለ ናብ ሃገሩ ከም ዝምለስን፡ ኮይኑ ግን ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን እንስሳታት ዘገዳም ናብ ማሳይ ማራ ዝስደዱሉ እዋን ናብ ኬንያ ተመሊሱ ክመጽእ ከም ዝደሊ ሓቢሩ። ኣብ ዕለት 22 ሓምለ ምሸት ግን ካን፡ ካልእ ህንዳዊ ሰብኣይን ሓደ ኬንያዊ መራሒ መኪናን ኣብ ዝኣተውዎ ጠፊኦም። እቲ ካልእ ህንዳዊ ወዲ 36 ዓመት መሓመድ ዛይድ ሳሚ ኪድዋይ'ውን ብናይ በጻሕቲ ቪዛ ናብ ናይሮቢ ዝመጸ ኮይኑ ብዛዕብኡ ዘሎ ሓበሬታ ክንድዚ ንጹር ኣይኮነን። ኣብ ኬንያ ዝወጹ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና፡ "ናይ ብሕቲ ህይወት" ዝመርሕ ዝነበረ "ክኢላ ቴክኖሎጂ ሓበሬታን ርክብን" ኢሎም ይገልጽዎ። በዓልቲ ቤቱ ኣምብሪን ኪድዋይ ናብ ኣብ ናይሮቢ ላዕለዋይ ኮሚሽን ህንዲ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ በዓል ቤታ ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ንቱሪዝም ኣብ ኬንያ ከምዝነበረን ገሊጻ። ንሳ፡ ካን ዓርኪ በዓል ቤታ ከምዝኾነን ክልቲኦም ኣብ ዕለት 22 ሓምለ 22፡45 ካብቲ ዝሓድሩሉ ዝነበሩ ሆቴል ወጺኦም ናብ ሓደ ቤት መስተ ከም ዘምርሑ ገሊጻ። ወሲኻ፡ ኣብ ኣጋ ፍርቂ ለይቲ በዓል ቤታ መዓስ ከም ዝምለስ ዝሓትት ናይ ጽሑፍ "መልእኽቲ" ከም ዝሰደደትሉ ትሕብር። በዓል ቤታ ድማ ድሕሪ "15 ደቓይቕ" ካብቲ ቤት መስተ ክወጽእ ምዃኑ ዝገልጽ ጽሑፍ ልኢኹላ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐት ድቃስ ወሲድዋ። ሰዓት ሰለስተ 03፡00 ምስ ተበራበረት ግን በዓል ቤታ ከምዘይተመልሰ ፈሊጣ። ናብ በዓል ቤታ ቴሌፎን ደዊላ። ቴሌፎኑ ዕጽው እዩ። ናብ ናይቲ መራሒ መኪና’ውን እንተደወለት፡ ናቱ’ውን ዕጽው እዩ። ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ "ናይ ሓባር ኣዕሩኽ" እንተሓተተት፡ ምሳና የለዉን ኢሎማ። ንጽባሒቱ ወይዘሮ ኪድዋይ ናብ ፖሊስ ከይዳ በዓል ቤታን ካንን ከምዝጠፍኡ ሓቢራ። ብተወሳኺ ናብቲ ቤት መስተ ከይዳ ነቲ ናይ ድሕነት መቆጻጸሪ (ሲሲቲቪ ተንቀሳቓሲ ስእሊ) መርሚራ፤ ኣብኡ እቶም ክልተ ህንዳውያን ኣጋ ሰዓት ሓደ ካብቲ ቤት መስተ ወጺኦም ኣብ ሓንቲ ቶዮታ መኪና ክሳፈሩ ርእያ። ብተወሳኺ ፖሊስ ዝረኸባ ሓንቲ ዝተጠንጠነት መኪና፡ እታ በዓል ቤታን ካንን ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ምዃና ኣለልያ። ኣብ ሙምባይ ዘለዉ ኣዕሩኽ ካን ብዛዕባኡ ተጨኒቖም ኣለዉ። ድሕሪ 21 ሓምለ "ምሉእ ስቕታ" ከምዝነበረ - ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓድሽ ሓበሬታ የለን፡ ቴሌፎን ኣይደወለን፡ ከምኡ'ውን ኣዕሩኽቱ "ዝያዳ ዘሻቐሎም - ዋትስኣፕና [መልእኽትታት] ከም ዝበጽሖ ኣይርአን" ኢሎም። ኣዕሩኽ ካን፡ 70 መዓልታት ተጸብዮም ፖሊስ ኬንያ ዝኾነ ምዕባለ ከምዘይረኽበ ምስፈለጡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ሓገዝ ንምርካብ ዝሓትት ጥርዓን ኣበጊሶም። እቲ ጥርዓን ክሳብ ሕጂ ብልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ተፈሪሙ ኣሎ። ካን፡ "ንሓንቲ ሃገር ምብጻሕ ጥራይ ኣይኮነን፡ ሰሙናት ወሲዱ ነቲ ከባቢ ይድህስስ፡ ብታሪኽን ባህልን እቲ ከባቢ ይወሓጥ" ክብሉ ኣዕሩኽቱ ኣብቲ ጥርዓን ይገልጽዎ። እዞም ክልተ ህንዳውያን ኣብ ጎስጓስ መረጻ ናይቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ሓሙሻይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ዊልያም ሩቶ ንምሕጋዝ ኣብ ኬንያ ከምዝነበሩ፡ ንሰበስልጣን ዝጠቐሱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብሩ። እቶም ህንዳውያን ኣብ ናይሮቢ ብፖሊስ ድሕሪ ምትሓዞም ነዊሕ ከይጸንሑ ምስቲ መራሒ መኪና ኒኮዲሞስ ምዋንያ ብሓባር ከም ዝጠፍኡ ጸብጻባት ይሕብሩ። ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ፖሊስ ኬንያ ምዕባለ ከምዝረኸቡ ገሊጾም፡ ካብ 21 ጥቅምቲ ጀሚሩ ትሽዓተ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ። እቶም ፖሊስ ኣካል ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዚደንት ሩቶ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ቅትለትን ምጥፋእን ጥርጡራት ፈጺሞም ብዝብል ዝተበተነ ኣሃዱ ፍሉይ ኣገልግሎት ከምዝኾኑ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ዝቐርብ ጥርዓናት ዝምርምር ኣሃዱ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ሓቢሩ። ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናጻ መርመራታቶም፡ እቲ ኣሃዱ ፍሉይ ኣገልግሎትን ካልኦት ኣሃዱታት ፖሊስን ምስ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝሞቱ ልዕሊ 600 ሰባት ከምዘተኣሳሰር ይገልጹ። ገለ ካብቶም ሬሳታት ድሒሮም ኣብ ምዕራብን ሰሜንን ኬንያ ኣብ ዝርከቡ ሩባታት ተረኺቦም። ኣብ ጉዳይ እቶም ዝጠፍኡ ህንዳውያን ዝተጠርጠሩ ዋና ተቖጻጻሪ ፖሊስ፡ ሓደ ኮርፖራልን መራሕቲ መካይን ፖሊስን ይርከብዎም። ጠበቓ እቶም ጥርጡራት ዳንስታን ዑማሪ፡ "እቲ ክሲ ብወግዒ ንከይንኽሕድ ክሳብ ሕጂ ክሲ ኣይቐረበሎምን" ኢሉ። "ዓማዊለይ ግን እዚ ፖለቲካዊ ሃሃዲንካ ምጥቃዕን ተንኮልን ኮይኑ ይስምዖም። ግዳይ ፖለቲካ እዮም ተገይሮም" ክብል ይውስኽ። ፖሊስ ትማሊ ሰኑይ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ቃለ መሓላ ከምዘመልክቶ፡ እታ ህንዳውያን ዝጸዓነት ታክሲ፡ ኣብ ጽርግያ ናይሮቢ ብሱባሩ መኪና ዝጓዓዙ ብዝነበሩ ጉጅለ ብሓይሊ ደው ክትብል ተገይራ። ብድሕሪኡ እቶም ህንዳውያንን መራሒ መኪናኦምን ተጨውዮም ብኻልእ መኪና ናብቲ ካብታ ከተማ ኣስታት 150 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ጫካ ኣበርዳር ተወሲዶም፡ ኣብኡ ድማ ተቐቲሎም "ሬሳኦም ተደርብዩ።" እቲ ቃለ መሓላ፡ ብውሑዱ ብዛዕባ ኣርባዕተ ጥርጡራት ይገልጽ። ካብዚኦም እቲ ሓደ ጥርጡር ኣብ ናይሮቢ ኣብ ካልኦት ሰለስተ ሰባት ተመሳሳሊ ጭውያ ክፍጽም ውዲት ዝነበሮ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ጫካ ዝተገብረ ፍተሻ ብዘይካ ውሑዳት "ክዳውንትን ካልእ ነገራትን" ከምዘይረኸበ ፖሊስ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ። ኣብቲ ቦታ "ኣዕጽምትን ማዕጠቓ ሰብኣይን''ውን ከም ዝተረኽበ፡ ሓንቲ ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ጸብጺባ። እዚ ግን ብናጻ ክረጋገጽ ከም ኣይከኣለን። ፖሊስ፡ እቲ ጭውያ "ዳይረክቶሬት መርመራ ገበንን ካልኦት ትካላት ጸጥታን ዘካየድዎ ስርሒት ብዙሕ ትካላት" ምዃኑ ገሊጹ። ስድራቤትን ፈተውትን ካን ግን፡ ንሱ ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ኬንያ ከምዝነበረ ብትሪ ይኽሕዱ። ወይዘሮ ኪድዋይ እውን ኣብ ደብዳበኣ በዓል ቤታ ከም ቱሪስት ኣብ ኬንያ ከምዝነበረ ገሊጻ። ካን፡ "ኣብኡ ንዝካየድ ጎስጓስ ምርጫ ዝሰርሖ ዝነበረ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ንዓይ ይኹን ንኣዕሩኽቱ ነጊሩና ኣይፈልጥን። ሓድሽ ነገር እንተገይሩ ኩሉ ግዜ ይድውለለይ ነይሩ" ይብል ራጂቭ ዱበይ። ንፕረዚደንት ሩቶ ዲጂታላዊ ወፍሪ ዘካየደ ኣማኻሪ ዴኒስ ኢቱምቢ ግን፡ ክልቲኦም ህንዳውያን ኣብቲ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወፍሪ "ብሓቂ ሓጊዞም" ይብል። "ኣብ ናይሮቢ ምስ ክልቲኦም ብርክት ዝበሉ ግዜ ተራኺበ እየ። ኣበይ ከም ዝሓድሩ እፈልጥ ነይረ። ምስኦም ኣብ ሓደ ናይ ቴሌግራም ጉጅለ እየ ነይረ። በቲ ወፍሪ ዝተቖጸሩ ኣይኮኑን፡ ግን ገለ ሓሳባት ሂቦምና፡ ገለ ካብኡ ድማ ተጠቒምናሉ ኢና።" ጠበቓ እቶም ህንዳውያን ስድራቤታት ዝኾነ ኣሕመድናስር ዓብደላ፡ "ንሓደ ካብቶም ሕጹያት ፕረዚደንት ኣብ ገለ ንኣሽቱ [ማሕበራዊ] መራኸቢታት ይሕግዙ ነይሮም። ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ሓጸርቲ ቪድዮታት ብኸመይ ከም ዝሰርሑ ክኢላታት ዝነበሩ ይመስለኒ። ፖሊስ፡ እቶም ጥርጡራት ምስ ምጥፋእ እቶም ሰለስተ ሰባት ንምትእስሳር "ተወሳኺ መርመራታት ምክያድን ተወሳኺ መረጋገጺ መርትዖታት ምእካብን" ከምዘለዎ ይገልጽ። ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ከምዘለዉ ንጹር እዩ። ክልቲኦም ህንዳውያን ቅድሚኡ ይፋለጡ ድዮም ነይሮም? ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ሰሪሖም ኣብ ፖለቲካዊ ቅርሕንቲ ተረኺቦም’ዶ ይኾኑ? ስለምንታይ እዮም ብብህሎ ተጨውዮም? ፖሊስ ናይ መን ኣካል ሬሳ እዮም ረኺቦም? ምሉእ ብምሉእ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ኮኾብ ዩቲዩብ ዝኾነ ህንዳዊ ሸቃላይ ኣብ ህንዲ ግዝኣት ኦሪሳ መዓልታዊ ሸቃላይ ዝኾነ ኢሳክ ሙንዳ፡ ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ስዒቡ ሕዚ ኮኾብ ማሕበራዊ ሚድያ ኮይኑ ኣሎ። ኢሳክ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 እዩ ፈላማይ ቪድዮ ኣብ ዩትዩብ ብምልጣፍ፡ መገዲ ኮኾብነት ሀ ኢሉ ዝጀመረ። እቲ እዋን ህንዲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ከይወፅኡ ዕፅዋ ዘንበረትሉ ግዘ እዩ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ ኢሳክ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ኢንድስትሪ ህንፃ፡ ስራሕ ደው ኣበለ። ንሱን መሓዝቱን ዓዲ ውዒል ክኾኑ ግድን ኮነ። ኣብዚ እዋን ነይሩ፡ ኣብ ኣእምሩኡ ሓደ ሓሳብ ብልጭ ዝበለ። ደቁ፡ ከም ደቂሎሚ ኣብ ዩቲዩብ ኣፍጢጦም ናይ ህፃናት ፊልም ይርእዩ ኣለዉ። ሃንደበት ግና ሓደ መወዓውዒ ኣብ ሞንጎ ብልጭ በለ። ኢሳክ ከም ወትሩ ነዚ መወዓውዒ ከሕልፎ ኣይሃፀፀን። እቲ መወዓውዒ፡ ኣብ ዩቲዩብ ቪድዮ ብምልጣፍ ብኸመይ ገንዘብ ምርካብ ከምዝከኣል ዝሕብር’ዩ። ኢሳክ ንምንታይ ዘይፍትኖ በለ፤ ናብዚ ስራሕ ንምእታው ተጋእ መጋእ ኣይበለን። ኣብ ዩቲዩብ ዝተለጠፉ፡ ብዛዕባ ዩቲዩብ ዝተለጠፉ ቪድዮታት መሪፁ ክርእይ ጀመረ። ድሕሪ እዚ ድማ ናይ ባዕሉ ፈላመይቲ ቪድዮ ኣብ ዩቲዩብ ለጠፈ። እቲ ዝለጠፎ ቪድዮ፡ ኢሳክ ንተመልከትቱ ሰላም ምስበለ፡ ሸሓነ መሊኡ ዝቐረቦ ምግቢ ሩዝ ብስቕታ እናበልዐ ዘርእይ እዩ። ግና ከምቲ ዘተስፈዎ ኣይኮነሉን፤ ንናህቱ ቪድዮ ዝርእዩ ሰባት ኣይረኸበን። “ንሓደ ሰሙን ዝኣክል፡ ዋላ ሓደ ሰብ ንናህተይ ቪድዮ ኣይረኣየን። ጉህየ ነይረ” ይብል። እንተኾነ ተስፋ ኣይቆረፀን። ናብ ገፃት ዩቲዩብ ተመሊሱ፡ ብኸመይ ተመልከትቲ ምፍራይ ከምዝኽእል እንትዕዘብ፡ መወዓውዒ ምስራሕ ከምዝኽእል ተማሂሩ። “ናይ ፌስቡክ ገፅ ከፊተ፡ ኣብኡ ምውዕዋዕ ስረሐይ ኢለ ሓዝክዎ። 10 ወይ 12 ሰባት ርእዮምለይ” ይብል። ደሓር ግና ኣብ ግዝኣት ኦሪሳ ፍቱው ዝኾነ ‘ባሲ ፓካላ’ ዝተብሃለ ምግቢ ግጥም ኣቢሉ እንትበልዕ ዘርእይ ቪድዮ ብዙሓት ተመልከትቲ ኣውሓዘሉ። “ብሓደ ግዘ 20 ሽሕ ሰባት ‘ሰብስክራይብ’ ገይሮምለይ። ካብ መላእ ዓለም፡ ካብ ኣሜሪካ፣ ብራዚል፣ ሞንጎልያ ነዚ ቪድዮ ርእየሞ” ብምባል ይዝክር። ኣብዚ ክልተ ዓመት ድማ ‘ኢሳክ ሙንዲ ኢቲንግ’ ዝተብሃለ ገፅ ዩቲዩብ፡ ልዕሊ 800 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለዎ። ክሳብ ሕዚ ዝለጠፎም ተንቀሳቐስቲ ምስሊ ድማ፡ ልዕሊ 100 ሚልየን ተመልከትቲ ከጥርይ ኣኽኢለሞ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ናረንድራ ሞዲ፡ ኣብ ናይ ሓደ ራድዮ መደብ ቀሪቡ ንኢሳክ ንኢድዎ’ዩ። ኢሳክ ዝሰርሖም ምስልታት ብቋንቋ ዩቲዩብ “መክባንግ” ይበሃሉ። ኣብዚ ዓውዲ ዝምደቡ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚኦም ንካሜራ ዝሽፍን ምግቢ ብምምላእ ሓደሓደ ሱቕ ኢሎም ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ምስ ተመልከትቶም እናውግዑ ብዙሕ ምግቢ ይበልዑ። ከምዚ ዓይነት ቅዲ ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን እዩ ተጀሚሩ፤ ደሓር ድማ ናብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ። ሚልየናት ከኣ ኣድነቕቲ ከምዚ ዓይነት ቪድዮ እዮም። ፈተውቲ ‘መክባንግ’ “ምግቢ ክንበልዕ እንከለና፡ ነዚ ቪድዮ ከፊትና ኢና ንበልዕ። ምኽንያቱ በይንና ከምዘይኮንና ክስመዐና ስለዝገብር” ይብሉ። ኢሳክ ፈለማ ከምዚ ዓይነት ቪድዮ ኣብ ዩቲዩብ እንትልጥፍ፡ ብዛዕባ መክባንግ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። እንታይ ዓይነት ቪድዮ እንተለጠፍኩ ይሕሸኒ ኢሉ ሃሰው ኣብ ዝብለሉ እዩ፡ ምግቢ እናበልዐ ክልጥፍ ከምዘለዎ ዝወሰነ። ብዛዕባ ዩቲዩብ ካብ ዩቲዩብ ትምህርቲ ዝቐሰመ ኢሳክ፡ “ተመልከትቲ ኣብ ነዳልዎ ምግቢ እንታይ ዓይነት ናብራ ከምንነብር ክርእዩ ይደልዩ’ዮም ኢለ ሓሰብኩ” ይብል። እንታይ ዓይነት ካሜራ ክጥቀም ከምዘለዎ፣ ቪድዮ ምቕዳሕን ምድላውን፣ ብዛዕባ ምድላው ምግብን፡ ካብ ዩቲዩብ’ዩ ፍልጠት ረኺቡ። ካብ ዘዋህለሎ ሰለስተ ሽሕ ሩፒ (39 ዳላር)፡ ቪድዮ ዝቐርፀሉ ሞባይል ዓደገ፤ ሻቡ ሰለስተ ሽሕ ንኢሳክ ብዙሕ እዩ። ሙሉእ ክፍሊት ናይዛ ዘበናዊት ስልኪ ድማ በብወርሑ ከፈለ። ኢሳክ ናብ ቤት ትምህርቲ ዋላ እንተኸደ፡ ትምህርቱ ግና ኣይወድአን። በዚ ድማ ናይ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ክእለቱ’ውን ውሑድ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ ብኢመይልን ማሕበራዊ ሚድያን ብዛዕባ ናይ ዩቲዩብ ገፁ ከወዓውዕ ጀሚሩ። ቴክኖሎጂ ጉግል ትራንስሌት ብምጥቃም፡ ብኸመይ ነቲ ዘዳልዎ ቪድዮ ንኡስ ኣርእስቲ ክገብረሉ ከምዝኽእል’ውን ተምሃረ። ካብ እዋን ናብ እዋን ድማ ኣመሓየሸ። ኣብቲ ብ 2020 ዝለጠፎ ፈላማይ ቪድዮ፡ ኢሳክ ሱቕ ኢሉ ምግቢ ክበልዕ’ዩ ዝረኣይ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ለካቲት 2021 ዝለጠፎ ቪድዮ እንተርኢና ድማ እቲ ኣፈላላይ ጎሊሁ እዩ ዝረኣይ። ኢሳክ፡ ሕዚ በብሰዓቱ ምግቢ እናበልዐ ቪድዮ ኣይልጥፍን። የግዳስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናኸደ፡ ባህሊ ሃገሩ የላልይ፤ ምድላው ኣብ ዘለዎም ቦታታት እናኸደ ይቐርፅ። ህንዳውያን ሃናፂ ርኢቶ’ዮም ዝህብዎ። ዝነብሮ ህይወት እንከይቀነሰን እንከይወሰኸን ናብ ህዝቢ ስለዘቕርብ ብዙሓት ይፈትውዎ። ኢሳክ ኣብ ዝሰርሖም ቪድዮታት፡ ዝበዝሕ ግዘ በዓልቲ ገዝኡን ደቁን ይረኣዩ። ዕንፀይቲ ፈሊፁ፣ ሓዊ ኣጕዱ ዘብሰሎ ሩስ ምስ በዓልቲ ገዝኡን ደቁን እንትምገብ የርእይ። “ዋላ’ኳ በብመዓልቱ ስጋ ምብላዕ እንተኽኣልና፡ ከም ኩሉግዘ ቅልል ዝበለ ምግቢ ምባለዕ ኢና ንመርፅ” ይብል። ኢሳክ፡ መዓልታዊ ሸቃላይ እንከሎ ኣብ መዓልቲ 250 ሩፒ ይረክብ ነይሩ። ኣብ ወርሒ 18 ወይ 20 መዓልቲ ሰሪሑ ዝረኽቦ ገንዘብ ስድርኡ ንምምሕዳር እኹል ኣይረኸበን። ንኣርባዕተ ደቁን፣ በዓልቲ ገዝኡን ወለዱን ንምምሕዳር ኢድ ይሓፅሮ ነይሩ። ሕዚ ግና ካብ ዩቲዩብ ኣብ ወርሒ ካብ 60 ሽሕ ክሳብ 300 ሽሕ ሩፒ ይረክብ። ቅድሚ ሕዚ ይነብረላ ዝነበረት ቆንቋን (ክፈርስ ዝቐረበ) ጎጆ፡ ካብ ዩቲዩብ ብዝረኸቦ ገንዘብ በዓል ክልተ ደብሪ መንበሪ ህንፃ ብምስራሕ ተኪእዋ ኣሎ። ንመፃኢ፡ ንደቁ መምሃሪ ዝኸውን ገንዘብ ዝቖጠበ እንትኾን፡ ዘገልገለት መኪናን ቪድዮታት ዘወሃህደሉ ላፕቶፕን’ውን ዓዲጉ’ዩ። ኢሳክ ሙንዳ ሕዚ ኣብ ከባቢኡ ስሙይ ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ሓደ ግዘ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ድግስ የዳልው’ዩ። ደርሆ ሓሪዱ የቕርብ። ቀፃሊ ትልሚ ኢሳክ ደቁ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ኣቀላጢፎም ንክዛረቡ ናብ ዘኽእሎም ቤት ትምህርቲ ምውሳድ’ዩ። “ደቀይ ኣብ ፅቡቕ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ እደልይ። ኣነ ብዙሕ ከይተመሃርኩ ከምዚ ምግባር እንተኽኢለ፣ ንሶም ተማሂሮም ዝሐሸ ነገር ክገብሮ ከምዝኽእሉ እየ ዝኣምን” ይብል። ጉጃራት፡ ክልተ ሻብ ዝተጨውየ ህንዳዊ ህጻን ኣብ ህንዲ ኣብ እትርከብ ምዕራባዊት ግዝኣት ጉጃራት፡ ብመዓልታዊ ደሞዝ ካብ ዝነባበሩ ሰራሕተኛታት ዝተወልደ ወዲ ክልተ መዓልቲ ህጻን ሓንሳእ ዘይኰነስ ክልተ ሻብ ተጨውዩ ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጉጃራቲ ባሃርጋቫ ፓርከር፡ ስለ ምንታይ ከምኡ ከም ዘጋጠመ ነቲ ዛንታ ኣድልዩዎ ኣሎ። እታ ውላዳ ኣብ ሓደ ወርሒ ክልተ ሳዕ ዝተሰርቃ ኣብ ከተማ ጉጃራት እትነብር ጓል 25 ዓመት ሜና ዋዲ ዝስማ ኣደ፡ "ንወደይ ካብዛ ዓይነይ ኣይክውሎን እየ" ትብል። ስቓይ ሜና፡ ኣብ ሆስፒታል ቖልዓ ተገላጊላ ብሓደ ሚያዝያ ምስ ውላዳ ንገዝኣ ምስ ተመልሰት እዩ ዝጅምር። ኣብቲ ዝሓረሰትሉ ሆስፒታል እትሰርሕ ነርስ ምዃና ዝገለጸት ሓንቲ ሰበይቲ ንገዛኣ መጺኣ ውላዳ ኣገዳሲ ክታበት ስለዘድልዮ ተተሓሒዘን ንሆስፒታል ክኸዳ ሓተተታ። ሜና ከኣ ብገርሃ "ሕራይ" ኢላ ውላዳ ከተኽትብ ምስታ ነርስ ምዃና ዝነገረታ ሰበይቲ ናብ ሆስፒታል ከደት። ኣብቲ ሆስፒታል ምስ በጽሓ "በሊ ኣብዚ ጽንሒ ኣስኢለዮ ክምለስ እየ" ኢላ ነታ ኣደ ኮፍ ኣቢላታ ከደት። ከምቲ ዝበለቶ ግን ቀልጢፋ ኣይተመልሰትን። እታ ነርስ ምስ ደንጎየት ሜና ተረቢሻ ክትሓታትት ጀሚራ። ደሃይ ወዳ ምስ ሰኣነት ከኣ ተጠሊዓ አእውያ። ሽዑ እቶም ሓለውቲ ጸጥታ እንታይ ከም ዝኾነት ሓቲቶምዋ። እቲ ዘጋጠማ ነጊራቶም - ሽዑ ንፖሊስ ተደዊሉሎም። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮን ዕቤትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣብ ህንዲ ልዕሊ 43,000 ቖልዑ ተጨውዮም ተሰሪቖም ጠፊኦም። ኣብታ ሜና እንተንበረላ ጉጃራት ከኣ ዓመታዊ ኣስታት 3,500 ህጻናት ከም ዝጠፍኡ ሰነዳት ይሕብሩ። ተሓለቕቲ መሰላት ህጻናት፡ ብዙሓት ድኻታት ስድራ ቤታት ናብ ፖሊስ ስለ ዘየመልክቱ እቲ ቑጽሪ ናይ ዝጠፍኡ ህጻናት ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ። ሜናን በዓል ቤታ ካኑን ግን ጉዳዮም ቀልጢፎም እዮም ንፖሊስ ሓቢሮም። ምድላይ እቲ ዝተጨውየ ህጻን "ሜና ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ዋላ ሓንቲ ትፈልጦ ነገር ኣይነበራን። ስማ ኣይትፈልጥ እንታይ ከም እትመስል እውን ክትገልጻ ኣይከኣለትን" ይብል ነቲ ጉዳይ መርመራ ዝመርሐ ኢንስፔክተር ፖሊስ ኤችፓይ ዛላ። ስለዚ ኢንስፔክተር ዛላን ጋንታኡን መጽናዕቶም ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዝነበረ ሲሲቲቪ ካሜራ እዮም ጀሚሮም። ኣብቲ ዝተመዝገበ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ሓንቲ ኣብ ጀለብያኣ ቖልዓ ዝሓብአት እትመስል ሰበይቲ ካብቲ ቀንዲ ቀጽሪ ክትወጽእ እንከላ ርእዮም ተኸታቲሎምዋ። ንኣስታት 500 ዝዀኑ መራሕቲ ኣናእሽቱ ሰባት ዘጓዓዕዛ ማካይን ሓታቲቶም ንዝረኸቡዎ ሓበሬታ ከላግብዎ ጽዒሮም። ኣብ መወዳእታ እታ ቖልዓ ዝሓዘት እትመስል ሰበይቲ ኣብ ራክሻ (ሰለስተ እግራ ንእሽቶ ታክሲ) ተሰቒላ ናብ ሓደ ዓዲ ከም ዝኸደትን ቖልዓ ከም ዝነበራን ፈሊጦም፤ ናብቲ ከይዳቶ ዝተባህለ ዓዲ ከኣ ስዒቦምዋ። ኣብቲ እታ ሰበይቲ ተራእያትሉ ዝተባህለ ዓዲ ዝርከብ ናይ ፖሊስ ሲሲቲቪ ፈቲሾም። ንእግረ መገዶም ንሰብ ዱኳናት እናሓተቱ ብእግሪ ካብ ቚሸት ናብ ቊሸት ምስ ፈታተሹ ሓደ ቅያር ክዳንን ኣድራሻ ዘለዎ መንነትን ረኺቦም። ተስፋ ስለ ዝረኸቡ ናብቲ ኣብ ወረቐት መንነት ዝረኸቡዎ ኣድራሻ ምስ ከዱ ሓንቲ ኣደ ቖልዓ ረኸቡ፤ እቲ ቆልዓ ግን ናይ ሜና ኣይነበረን። ኣብ ህንዲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሸሞንተ ደቒቕ ሓደ ቘልዓ ይጠፍእ። እንተኾነ እታ ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ክዳውንታን መንነታን ሰሪቑ ምስ ካልእ ሰበይቲ ከም ዝኾብለለን እቲ ምሳኣ ዝነበረ ቖልዓ ከኣ ንካልእ ሰብ ተመርዕያ ከም ዝወለደቶ ሓቢራቶም። ፖሊስ፡ ነቲ መንነተይ ሰሪቑ ኮብሊሉ ዝበልዎ በዓል ቤታ ክረኽቡ ተፍትሽ ጀሚሮም። ኣብ መወዳእታ ንዑኡን ነታ ቖልዓ ሜና ዝሰረቐት ሰበይትን ረኺቦምዎም። ናይ ዲኤንኤ መርመራ ምስ ተኻየደ ከኣ እቲ ህጻን ናይ ሜና ምዃኑ ተረጋጊጹ። እቶም ሰብ ሓዳር ብስርቂ ህጻን ተኣሲሮም፤ እንተኾነ ነዊሕ ከይጸንሑ ብዋሕስ ተፈቲሖም። እታ ሰበይቲ ንቘልዓ ሜና ጨውያ ንሰብኣያ ቖልዓ ከም ዝወለደትሉ ብሓሶት ኽትእምኖ ፈቲና ተባሂላ ተኸሲሳ። እቲ ሰብኣይ ግን ብዛዕብኡ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይፈለጠን ነቲ ህጻን ውላዱ ከም ዝመሰሎን ንፖሊስ ሓቢሩ። እታ ሰበይቲ ከኣ ምውት ቖልዓ ምስ ወለደት ንበዓል ቤታ ከተእምን ብምድላይ ነቲ ቖልዓ ከም ዝሰረቐቶን ንክዳውንቲ ቀዳመይቲ ሰበይቱን መንነታን ወሲዳ ኣብ ሓደ ዑና ከም ዝደርበየቶን ሓቢራ። ደፓክ ቪያስ ዝተባህለ ፖሊስ፡ እቲ ዛንታ ኣብ ህንዲ ዘይንቡር ኣይኮነን ይብል። ሓደ ሓደ ስድራ-ቤት ኣወዳት ጥራሕ ክወልዱ ስለ ዝደልዩ በቲ ጸቕጢ ዝተደረኻ ኣንስቲ ንሰብኡተን ከሐጉዳ ካብ ድኻታት ስድራ ቤታት ቈልዑ ከም ዝጨውዩን ከም ዝገዝኡን ይሕብር። ካልኣይ ናይ ጭውያ ፈተነ ሜናን ካኑን ቘልዓኦም ተመሊሱሎም ሕጉስ ህይወት ጀሚሮም፤ ግንከ ሓጐሶም ነዊሕ ኣይጸንሐን ። ድሕሪ ክልተ ወርሒ ናይቲ ፍጻሜ ብ9 ሰነ፡ እንደገና ንኻልኣይ ግዜ ይጠፍእ። ሜና ንውላዳ ኣብ ትሕቲ ኦም ኣደቂሳ ገለ ነገር ክትኣራሪ ፍንትት ምስ በለት ኣብ ዝገደፈቶ ኣይጸንሓን። ንሳን ሰብኣያን ተቐላጢፎም ናብ መደበር ፖሊስ ከይዶም ምስ ኣመልከቱ እቶም ፖሊስ ተገሪሞም። ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ናይ ሲሲቲቪ ስእልታት ምስ ፈታተሹ ከኣ፡ እቲ ቖልዓ ጠፊኡዎ ኣብ ዝተባህለ ከባብን እዋንን ሓደ ሰብ ኣብ ድሕሪ ብሽክለታ ቘልዓ ኣብ ዝጸዓነ ጥርጡር ወደቑ። ፖሊስ ናብቲ ዝጠርጠሩዎ ሰብ ምስ ከዱ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብታ ዕለት ዓርኩ እምበር ንሱ ኣብታ ብሽክለታ ከም ዘይነበረ ሓበሮም። ናብቲ ዝነበረሉ ዝነበረ ራጃስታን ዝተባህለ ቦታ ከይዶም ነታ ገዛ ከቢቦም ምስ ፈተሹዎ እቲ ቘልዓ ኣብኡ ጸኒሑዎም። ንሱን ብዓልቲ ቤቱን ውላድ ስለ ዘይነበሮም ነቲ ቘልዓ ከም ዝጨወዩዎ ተዛሪቦም ክሳብ ሕጂ ከኣ ተኣሲሮም ኣለው። እቲ ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ ሜና ኣብ ህንጻ ይዓዪ ነይሮም። ዓርኩ ቘልዓ ምስ ወለደ ሓደ መዓልቲ ንክሰርቆ ውዲት ኣለመ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ከኣ ሜና እንደገና ምስ ወዳ ዳግማይ ተራኸበት። ብድሕሪኡ እቶም ፖሊስ ህላዌ እቲ ህጻን ንምርግጋጽ ህያባት ሒዞም ኣዘውቲሮም ናብታ ስድራ ይኸዱ ኣለዉ። "ፖሊስ ንውላድና ካባና ንላዕሊ ኣፍቂሮምዎ ኣለው" ትብል ሜና። "ሕጂ ግን ንወደይ ካብዛ ቅድሚ ዓይነይ ክፈልዮ ኣይደልን እየ" ብምባል ፖሊስ ንዝገበሩዎ ጻዕርን ተገዳስነትን ተድንቕ። ህንዲ፡ ባዕላ ዘፍረየቶ ሓዊሱ 2 ክታበት ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ኣጽዲቓ ህንዲ ኣብ ሃገራ ንዝፈረየ ሓዊሱ ክልተ ዓይነታት ክተበታት ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ፍቓድ ከምዝሃበት ተገሊጹ። በዓል ስልጣን ቁጽጽር ኣፋውስ ህንዲ ነቲ ብዩንቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዝፈረየ ኣስትራዜኔካን ኣብታ ሃገር ብኩባንያ ባሃራት ባዮቴክ ዝተዳለወን ዓይነታት ክታበት ፍቓድ ሂቡ’ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ናሬንድራ ሞዲ “ወሳኒ መቐይሮ ነጥቢ” ክብል ነቲ ውሳነ ገሊጽዎ። ህንዲ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ብቐዳምነት ክኽተቡ ኣብ ዝሓዘቶ ትልሚ ኣስታት 300 ሚልዮን ሰባት ነቶም ክታበታት ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር። ብብዝሒ ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብደረጃ ዓለም ኣብ ካልኣይ እትስራዕ ህንዲ፡ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 10.3 ሚልዮን መልከፍቲ ኣመዝጊባ’ላ። ኣስታት 150 ሽሕ ድማ ሞይቶም። ኣብታ 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ናብ ወፍሪ ክታበት ንዝወፍሩ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰብሞያ ጥዕና ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ስልጠና ምሃብ ከምዝጀመረት ተፈሊጡ። ነቶም ክታበታት ዘዳለዉ ክልቲኦም ኩባንያታት ፍርያቶም ኣብ ረብሓ ክውዕል ውሑስ ምዃኑ ዘረድእ ሰነድ ከምዘቕረቡ በዓል መዚ ቁጽጽር ኣፋውስ እታ ሃገር ሓቢሩ’ሎ። እንተኾነ ገለ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታትን ዶኳትርን ግን እቲ መስርሕ ምጽዳቕ ኣፋውስ ግልጽነት ከምዘይነበሮ’ዮም ዝነቕፍዎ። እቲ ብኦክስፎርድ ዝተዳለወ ክታበት ኣስትራዜኔካ ኣብ ህንዲ ብዝርከብ ሴረም ብዝተበሃለ ኣብ ህንዲ ዝርከብ ትካል’ዩ ክፈርይ። እቲ ትካል ኣብ ዓለም ዝዓበየ ኣፍራዪ ክታበት ምዃኑ ድማ ይግለጽ። ኣብ ወርሒ ልዕሊ 50 ሚልዮን ክታበት ከምዘፍርይ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብታ ሃገር ዝተመሃዘን ዝፈርይን ክታበት ግን ክሳብ ክንደይ ዕውት ክኸውን ከምዝኽል እኹል መረዳእታ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ረብሓ ክውዕል ፍቓድ ከምዝረኸበ’ዩ ዝሕበር። ብስፍሓት ፈተነታት ክካየደሉ ከምዝግባእ እንተተሓበረ’ኳ ዋና ኣካያዲ ስራሕ በዓል መዚ ቁጽጽር ኣፋውስ ዝኾነ ሶማኒ ግን “ውሑስን ዱልዱል ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክተጥርይ ዝሕግዝ” ክብል ነቲ ብባሃራት ባዮቴክስ ዝፈርይ ክታበት ዝገልጾ። ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 5 ሚልዮን በጺሑ ሰብ መዚ ህንዲ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዩን ከም ዝበጽሐ ገሊጾም። ህንዲ ብብዝሒ ቁጽሪ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንኣሜሪካ ብምስዓብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ። ኣብ ህንዲ፡ ብዝሒ ሓዲሽ መልከፍቲ ክሳብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝነበረ ሓሙሽተ መዓልታት፡ መዓልታዊ ብልዕሊ 90 ሽሕ ብናህሪ ይውስኽ ኣሎ። በዚ መሰረት ህንዲ ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝልዓለ ቁጽሪ ተመዝግብ ዘላ ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 80 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ፡ ሕጽረት ዓራውትን ሕጽረት ቀረብ ኦክስጅንን ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። እንተኾነ ብመንጽር ብዝሒ መልከፍቲ ክረአ እንከሎ ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ሞት ትሑት ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። መንግስቲ ህንዲ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣንቢርዎ ዝነበረ ምሉእ ዕጽዋ፡ ነቲ ብሰንኪ ዕጽዋ ዝተሃሰየ ቁጠባ እታ ሃገር ንምሕዋይ ኢሉ ምስ ኣልዓሎ እቲ ለበዳ ብናህሪ ከም ዝወሰኸ’ዩ ዝግለጽ። እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ዋላ ድኣ ብናህሪ ይላባዕ ይሃሉ’ምብር መንግስቲ ግን ገና ነቲ ኣንቢርዎ ዝነበረ ከፊላዊ እገዳ ምንቅስቃስ ኣብ ምፉዃስ እዩ ዘሎ። ህንዲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣስታት 600 ሽሕ ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ እያ ኣመዝጊባ። ክሳብ ሎሚ ድማ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለከፉ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ዝተመዝገበ 90 ሽሕን 123 ተወሲኽዎ ብሓፈሻ እቲ ቁጽሪ ናብ 5,020,359 ክብ ኢሉ’ሎ። ብዛዕባ ሕጽረት ቀረብ ኦክስጅንከ? ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ህንዲ ጠለብ ኦክስጅን ሰማይ’ዩ ዓሪጉ ዘሎ። ሆስፒታላት ኣብዚ ወርሒ፡ መዓልታዊ ኣስታት 2700 ቶን ኦክስጅን’የን ዘህልኻ ዘለዋ። ምስቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ መዓልታዊ 750 ቶን ኦክስጅን ዘህልኽኦ ዝነበረ ብምንጽጻር ድማ እቲ ቀረብ ይውሕድ ከም ዘሎ ኦክስጅን ዘፍርያ ትካላትን ይሕብራ። ጠለብ ኦክስጅን ልዕሊ ዓቕመን ኮይንወን ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ መጠን መልክፍቲ ኣብ ዝውስኸሉ ጠለብ ኦክስጅን’ውን ክውስኽ ከም ዝኽእል እተን ትካላት ይገልጻ። ኣብ ህንዲ እተን ዝበዝሓ ኦክስጅን ዘፍርያ ዓበይቲ ትካላት ኣብተን ዓበይቲ ከተማታት ህንዲ’የን ተዶኵነን ዘለዋ። ስለዚ እተን ካብ ከተማታት ኣዝየን ርሑቐን ዝርከባ ማእከላት ጥዕና፡ እቲ ኦክስጅን ብፍሉያት መካይን ተጻዒኑ’ዩ ዝኸደን። ህንዲ 1500 ዝኾና ነዚ ኦክስጅን ክጽዕና ዝኽእላ መካይን ጥራይ እየን ዘለዋኣ፡ እዚ’ውን እቲ ካልእ ክማላእ ዘለዎ ሕጽረት’ዩ። ርእሰ ከተማ ድልሂ ከም ኣብነት እንተተወሲዳ፡ ኣብታ ከተማ ዋላ ሓንቲ ኦክስጅን ተፍሪ ትካል የላን፤ ስለዚ ጠለባት ኦክስጅን ደልሂ ካብ ጎሮባብቲ ዞባታት’ዩ ዝማላእ ዘሎ። ዞባታት ማህራሽተራ፣ ማዲሃ ፕራዲሽ፣ ጉጃራት፣ ራጃስታን፣ ታላንጋናን ኣንድራ ፕራድኢሽን እተን ዝልዓለ መጠን መልከፍቲ ዘመዝግባ ዘለዋ ዞባታት እየን። ኣገዳስነትን ኣበርክቶን ትምህርቲ ኣብ ዕቤትን ምዕባለን ትምህርቲ ንፖለቲካ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ምዕባለን ዕቤትን መገዲ ዝኸፍት ቀንድን ወሳንን መሳርሒ ምዃኑ ዘየማትእ ዓለማዊ ተረድኦ እዩ። "ትምህርቲ፡ ኣብ ምውጋድ ጥሜትን ድኽነትን፡ ጾታውን ዓሌታዊ ኣድልዎ፡ ኣብ ምንካይ መጠን ሞት ኣዴታትን ሕጻናትን፡ ኣብ ምፍጣር ግንዛቤ ተላገብቲ ሕማማትን ምክልኻሎምን ዝለዓለ ኣበርክቶ ዘለዎ ህዝባዊ ዕጥቂ እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ መምህር ምዕባለን ጉዳያት ስደተኛታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ። እቲ ቀንዲ ዕጥቂ ምዕባለ ሓደ ሕብረተሰብ ትምህርትን ፍልጠትን እዩ። ሓደ ተማሂሩ ሞያን ክእለትን ዘጥረየ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ትካላት መንግስትን ብሕትን ተቖጺሩ፡ ወይ ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል መስሪቱ ርቡሕ እቶት ክረክብ ይኽእል እዩ። በቲ ዝረኽቦ እቶት ከኣ ንስድርኡን ቤተሰቡን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ንሕብረተሰብን ሃገርን ክጠቅም ይኽእል እዩ። ትምህርቲ ግን ብቑጠባዊ እቶትን ኣበርክቶን ጥራሕ ኣይኮነን ዝምዘን። ኣብቲ ሕብረተሰብ ብዝፈጠሮ ንቕሓትን መንቋሕቋሕታን እዩ ዝያዳ ዝልካዕ። ይብሉ ኣብ ኢንተርናሺናል ጆርናል ትምህርቲ፡ "ነቐፌታዊ መጽናዕቲ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ" ብዝብል ኣርእስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝሓተሙ ቴድሮስ ስዩምን ሙሴ ተሰማን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ምሁራት። ትምህርቲ ነቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ብሕርሻን መጓሰን ዝነባበር ክፋል ሕብረተሰብ ደረጃ መነባብሮኡ ብስነ-ፍልጠታዊ መገዲ ንምምሕያሽ ዓቢ ዕድል ይኸፍት። ነታ ኣካል ፍርቂ ሕብረተሰብ ኣደን ሓፍትን ጓለ'ንስተይቲ፡ ብምምሃርን ምንቃሕን ናብራ ዕብየት የስፍሕን የዕብን። ትምህቲ ዕጥቂ ምዕባለን ዕቤትን ሕብረተሰብ ስለዝኾነ እዩ ከኣ ሕቡራት ሃገራት " ትምህርቲ ከም ሰብኣዊ መሰል አህዛብ ክረአን፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎ ክወሃብን ኣለዎ ብምባል ከም ኣድማሳዊ መሰል ኣብ ዓንቀጽ ሕቡራት ሃገራት ብምቕማጥ፡ ጥሪ 24 ኣህጉራዊ መዓልቲ ትምህርቲ ኮይና ክትበዓልን ክትዝከርን ኣሚሙ ብቐጻሊ ዝሰርሓላን ዘኽብራን። እቲ ንሃገራት ዓለም ብመገዲ ትምህርቲ ሳይንስ ባህልን መራኸቢታትን ብምትሕብባር ሓባራዊ ርግኣትን ሰላምን ኪሰፍን፡ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ክነግስን መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበርን ኣበርክቶ ዝገብር ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዩኔስኮ ሕብረተሰብ ዓለምና ነቲ ኣብ 2030 ከብጽሖ ዝሓለነ "ምርግጋጽ ትምህርቲ ንኹሉ!" ነዊሕ ጉዕዞ ተሪፉዎ ክነሱ ለበዳ ኮቪድ ተወሳኺ ጸቕጥን ምጕታትን ብምፍጣሪ ከምዘተሓሳሰቦ ይሕብር። ለበዳ ኮቪድ፡ ከም ንኹሉ ጽላታት ቁጠባን ማሕበራዊ ርክባትን ንዓውደ ምምሃርን ምስትምሃርን እውን ብኸቢድ ጸልይዎ ይርከብ። በዚ ለበዳ እዚ መባእታን ማእከላይ ደረጃን ጥራሕ ዘይኮና ኮሌጃትን ዩኒቨርስታትን መወዳእታ ዘይብለን ናይ ስልጠና መምሃሪ ትካላትን ካብ ንቡር ስርሐን ተሰናኺለን መማህራንን ተማሃሮን ተጸጊሞም ኣለው። እዚ ከኣ ኣብ ኩለን እተን ፊደል ዘቑጽራን ፍልጠት ዘስንቓን ትካላት ትምህርቲ ልዕሊ 190 ሃገራት ዓለምን ኣስታት 1.6 ቢልዮን ተማሃሮን እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ። ከም ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ፈለማ ብኮቪድ፡ ዳሕራይ ከኣ ኣብ ከም ክልል ትግራይ ዝኣመሰላ ብወተሃደራዊ ግጭት ዝተጸምዳ ክልላት፡ መስርሕ ትምህርቲ ተሰናኺሉ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ኮሌጃት ትምህርቲ ይቕጽል እኳ እንተሎ፡ ብፍላይ ብሰንኪ ብዝሒ ዝርገሐ ኮቪድ ኣብዚ ቐረባ ሳምንታት ብዝጸንዐ ዕጽዋ ስርዓት ምምሃርን ምስትምሃርን ፈጺሙ ተዓናቒፉ ኣሎ። እቲ ምስንኻል ትምህርቲ ኣብ መላእ ዓለም ስለዝኾነ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም ልዕሊ ዝኮነ እዋን ኣብ መስርሕ ምስትምሃርን ክትተሓጋገዝ፡ እተን ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ክእለትን ዘለወን ሃገራት ከኣ ነተን ትሑት ዝቑጠበአን፡ ዓቕምን መሳለጥያታትን ዝጎድለን ሃገራት ክሕግዘአን ይምሕጸን። ሕቡራት ሃገራት ከኣ፡ ብኣጋጣሚ እቲ ኣብ ጥሪ 24 ዓመታዊ ዝበዓል መዓልቲ ትምህርቲ፡ ነዚ ሓሳብ እዚ፡ ኩለን መሻርኽቲ ሃገራት ክቕበለኦን ክሰርሓሉን የዘኻኽር። እዚ ሕብረትን ሓድነትን ዓለም ዝጠልብ ዘሎ ህሞት፡ ኣብ ሕውየትን ተሃድሶን ስርዓት ትምህርቲ ኣዎንታዊ ኣበርክቶ ክገብር ትጽቢት ከኣ ጻውዒት ይገብር። ሰነዳት ዝኽሪ እቲ ዕለት ከኣ፡ "ንጽላት ትምህርቲ ብዓለማዊ ምትሕግጋዝ ኣደልዲልካ ንመስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ምሕዋይ ንጽባሕ ዘይትብሎ ዕማም እዩ" ብምባል ዪነስኮን ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝግደስ ኩሉ መሻርኽቲ ኣካላትን፡ ንኣገዳስነት ትምህርቲ ብምጕላሕ፡ ብኮቪድ ተዓናቒፉ ዘሎ ኣብ ባይታ ብግብሪ ንምስፍሑን ብቐጻሊ ይሰርሓ ምህላወን ይገልጽ። ትምህርቲ፡ ንኹሉ ወዲ ሰብ ዝግበኦ ሰብኣዊ መሰል ምዃኑ፡ ኣብ ዓንቀጽ 26 ኣህጉራዊ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት (1948) ሰፊሩ ኣሎ። እቲ ኣብ 1989 ብብዙሓት ኣባል ሃገራት ዝጸደቐ እማመ፡ ነብሲ ወከፍ ቖልዓ ብናጻን ግዴታን መባእታዊ ትምህርቲ ክወስድ የተሓሳስብ። "እቲ ዝያዳ ዝተማህረ ሕብረተሰብ'ዩ ንትምህርቲ ናብ ዝለዓለ ምህዞ ቴክኖሎጂን ፍርያትን ዝትርጉሞ" ዝብል ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት። እቲ ብቑዕ ትምህርቲ ዝተማህረ ኣካል ርቡሕ እቶት ኣብ ዝርከቦ ስርሓት ብምስታፍ ቊጠባዊ ዕቤት ከመዝግብ ዕድል ከምዘለዎ ይገልጽ። ምሁራት ምስ ዝበዝሑ ከኣ ርቡሕ ኣታዊታት ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ይስስን እሞ ቁጠባ ሕብረተሰብ ይዓቢ ከኣ ይብል። እንተኾነ ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ዝተርፎ "ምርግጋጽ ምዕሩይ ትምህርቲ ንኹሉ" ዝብል መትከል ሕቡራት ሃገራት ንመላእ ሃገራት ዓለም ኣንቀጥቂጡ ብዘሎ ኮቪድ ይጉተት ምህላው ዩኔስኮ ይገልጽ። ይብል ከኣ፡ "መሰል ትምህርቲ፡ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መሰረታዊ መትከላት ሸቶታት ሚለንዩም ትምህርቲ 2030 እዩ። ኣብ ውጥን ራብዓይ ስሉጥ ምዕባለ ሸቶታት ሚለንዩም ቀሪቡ ከምዘሎ፡ ትምህርቲ ንሕብረተሰብ ዓለም ካብ ድኽነትን ድሕረትን ዘገላግል ቀንድን መሰረታውን ምዕባለ ዕቤትን ብልጽግናን እዩ። ይኹን እምበር ገና ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቘልዑን ዓበይትን ብሰንኪ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ቊጠባውን ረቛሒታት ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣይረኽቡን ዘለው። ስለዝኾነ ከኣ ዩኔስኮ ንኹለን ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ ሕጋዊ ግዴታታት የንብር። " ነብሲ ወከፍ ቖልዓ ብናጻን ብግዴታን ብዝወሓደ ክሳብ ማእከላይ ደረጃ ከምሃር ኣለዎ" ዝብል መርገጽ ኣለዎ። ዝርገሐ ትምህርቲ ንበይኑ እውን እኹል ኣይኮነን። ድሕሪ ምስፋሕን ምዝርጋሕን ትምህርቲ ዝመጽእ ከኣ ብቕዓትን ጽሬትን ደረጃን ትምህርቲ ምርግጋጽ እዩ። እዚ ከኣ ማዕረ ማዕረ እቲ ምስፋሕን ምዝርጋሕን ክስረሓሉ ዘለዎ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ ይብል ሕቡራት ሃገራት ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ዓለማዊ መዓልቲ ትምህርቲ ሕብረተሰብ ክሳብ መዓስ’ዩ ብሓገዝ ‘ጎ-ፋንድ-ሚ’ ክሕከም ዝኽእል? ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ‘እገለ ሓውና፣ እገሊት ሓብትና ከቢድ ጸገም ጥዕና ስለዘጋጠሞ/ማ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ/ዳ ንኽትሕከም ወጻኢታት ሕክምና ኸኣ ልዕሊ ዓቕሚ ስለዝዀነ. . .' እናተባህለ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ‘ሓግዙና/ንሓግዞም’ ዝብሉ ሓያሎ ምሕጽንታታት ጎ-ፋንድ-ሚ ክዝርግሑ ልሙድ እናዀነ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ፖሎቲካዊ፡ ቍጠባውን ምምሕዳራውን ሽግራት፡ ህዝቢ ብቝዕን ዝተማልአን ኣገልግሎት ጥዕና፡ ኤሌክትሪክን ማይን ካልእ መሰረታዊ ቀረባት ሓጺርዎ፡ ከም ሳዕቤኑ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሽግራትን ሕሰምን ተቓሊዑ ይርከብ። ብሰንኪ'ቲ ውሽጣዊ ማሕበረ-ፖለቲካውን ቍጠባውን ኵነታት ኤርትራ፡ ብዙሓት ካብኡ ንምምላጥ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክሰግሩ፡ ብኡ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ምዕራብን ካልእን ፋሕ-ፋሕ ክብሉ ዓመታት ተቘጺሩ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኢትዮጲያን ሱዳንን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ዘለው ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርዶም ዘሎ ኣደራዕ፡ ብቐረባ ኣብ ቢቢሲ ይዅን ካልኦት ማዕከናት ዜና'ውን ክንገር ቀንዩ’ሎ። እዚ ዋሕዚ መንእሰያትን ክኢላዊ ዓቕምታትን ከኣ ብሓፈሻ፡ ንብቕዓትን ኣሰራርሓን ትካላት 'ታ ሃገር ብርኡይ ጐዲእዎ እዩ። እዚ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ዘሎ ኵነታት ኣገልግሎት ጥዕናን ምስኡ ተተሓሒዙ ዝምዕብል ዘሎ ተርእዮ ጎ ፋንዲ ሚ ኣድሂብና ክንድህስስ። ዝርግሐ ትሕተ ቅርጺ ሕክምና ኣብ ኤርትራ፡ ብፍላይ ምህናጽ መደበራት ጥዕና፡ ማእከላት ጥዕናን ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ጽቡቕ ሰጕሙ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ግዜ ግን ብዓቕሚ ሰብን መሳርሒታትን ብርኡይ ተዳኺሙ፤ ምስቲ ዝስጕም ዘሎ እዋናዊ መሳርሒታትን ምዕባለ ቴክኖሎጂ ሕክምናን ግን ክመዓራረ ኣይከኣለን። ብሰንኪ'ዚ፡ ደረጃ ኣገልግሎት ጥዕና ኤርትራ ብዓቕሚ ሰብን መሳርሒታትን ዘድሊ ቀረብ መድሃኒታትን ስለ ዝተዳኸመ፡ ብዙሕ ሰብ ናብ ጐረባብቲ ወጺኡ ክሕከም ግዲ ኰይንዎ'ሎ። ሓደ ሓደ ሰባት ከኣ ወጻኢታት ምስ ከበዶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ወይ ኣብ ሱዳን ኰይኖም ወደይ፡ ሓወይ፡ ኣደይ ከምኡ’ውን ኣቦይ ብኸቢድ ሓሚሙ ስለዘሎ ርድኡና ብምባል ብማሕበራዊ ሜድያ ሓገዝ ክሓቱ ይርኣዩ እዮም። ዝበዝሑ ካብቶም ሓገዝ ዝሓቱ ከኣ ነቲ ዝደልይዎ ሓገዝ ከይረኸቡ ከምዝተርፉን ኣብ ከቢድ ስቃይ ከምዝርከቡን ይግለጽ። እዚ ጕዳይ ግን፡ “ክሳዕ መዓስ እዮም ዜጋታት ሓንቲ ሃገር ብጎ ፋንድ ሚ ክሕከሙ? ንሓዋሩ የዋጽእ ድዩ’ኸ? እቶም ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሓግዙና ክብለሎም ዝኽእል ወገን ዘይረኸቡ ወይ ናይ ኢንተርነት መሳለጥያ ዘይብሎም ሰባት’ከ እንታይ ይዅኑ?” ዝብሉን ካልእ መሰረታውያን ሕቶታት’ውን ስለዘልዓለ፡ ቢቢሲ ትግርኛ ንክኢላ ሕማማት ልቢ ዶክተር ሃብተኣብ ብጹኣምላኽን ንክኢላ ሕማማት ኵላሊት ዶ/ር ኣስቴር ኣለምሰገድን ካብ ኣሜሪካ፡ ከምኡ እውን ንክኢላ ሕማማት ስነ ኣእምሮ ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንድ ካብ ካናዳ ኣዘራሪቡ ኣሎ፤ ርእይቶኦም ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ። ሓኪም ስነ ኣእምሮ ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንድ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ንጽጕም ምሕጋዝ ብእምነትን ባህልን ዝድገፍ ሰናይ ተግባር’ኳ እንተዀነ፡ ብፍላይ እቲ ንጥዕናን ሕክምናን ዝምልከት ጕዳይ ግን፡ እቲ ጸገምን ሕጽረትን ካብ ሱሩ እንተዘይተፈቲሑ፡ ብሓገዝን ለመናን ክስገር ስለዘይከኣል ክሕሰበሉ ከምዘለዎ ይመክር። "ኣብዚ ቐረባ ግዜያት ብዙሕ ሰብ ብፍላይ ንጥዕና ኣብ ዝምልከት ጕዳይ ሓግዙና/ ንተሓጋገዝ ብምባል ብመገዲ ‘ጎ-ፋንድ-ሚ፡’ ምሕጽንታ የቐርብ ኣሎ። ግን ክሳብ መዓስ እዩ ክቕጽል? እቲ ናይ ኢንተርነት መሳለጥያን ዕድልን ዘይረክብ፣ ወይ ዝነግረሉን ዘእውየሉን ዘይብሉ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብር ውጹዕ’ከ እንታይ ይዅን? እቲ ናይ ኢንተርነት መሳለጥያን ዕድልን ዘይረክብ፣ ወይ ዝነግረሉን ዘእውየሉን ዘይብሉ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ዝነብር ውጹዕ’ከ እንታይ ይዅን? ንዝብል ሕቶ ዝምልስ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍ ጥበብ ምትሕግጋዝ ክሕሰብ ኣለዎ፡” ይብል። ክኢላ ሕማም ኵላሊት ዶክተር ኣስቴር ብወገና፡ እቲ ብጎ-ፋንድ- ሚ ዝሕተት ሓገዝ ሰባት ምስ ተጨነቝ ዝፍትንዎ ናይ ዓቕሊ ጽበትን ጭንቅን ምልክት ምዃኑ ብምግላጽ፡ “መንግስቲ ንህዝቡ መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ከቕርብ ግዴታ ስለዘለዎ፡ መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ንምቕራብ ክጽዕርን ክሰርሕን ይግባእ” ክትብል እቲ ሓላፍነት ንመንግስቲ ተሰክም። ንኣብነት እቲ ንሕማም ካንሰር እናተባህለ ክዋጻእ ዝሕተት ገንዘብ፡ ዋላ'ውን 100 ሽሕ ዶላር ይተኣከብ ነቲ ሕማም ንምፍዋስ እዅል ኣይኰነን። እዚ ገንዘብ እዚ ግን ብዝተማእከለን ዝተወደበን ኣገባብ ኣብ ጥዕናዊ ልምዓት ህዝቢ እንተዝውዕል ብዙሕ ነገር ከቃልል ምኸኣለ። ጥዕናዊ ውጥን ሓንቲ ሃገር ብቐንዱ ሕማማት ኣብ ምክልኻል እዩ ከተኵር ዝግባእ። ሕብረተሰብ ቅድሚ ዝኣገረ ጥዕናኡ ንኽከታተል ግቡእ ጻዕርን ጐስጓስን ትምህርትን እንተተዋሂቡ፡ ብድሕሪኡ ነቲ ብዕድመን ሽምግልናን ዝስዕብ ዘይተርፍ ሕዱር ሕማም ንምክልኻል ከምዝቐልል ተረድእ - ዶ/ር ኣስቴር። ዶክተር ሃብተኣብ ብወገኑ፡ እዚ ብጎ-ፋንድ-ሚ ንሕክምና ዝሕተት ሓገዝ ገንዘብ ከምዚ “ሓደ ገዛ እናተቓጸለ እንከሎ፡ በብወገንካ ብኹባያ ማይ ገይርካ ከተጥፍኦ ምፍታን’ዩ ዝቝጸር” ክብል እቲ ተግባር ዓቕሎም ዝጸበቦምን ዝጨነቘም ሰባት ይገብሩዎ’ኳ እንተለው ብቐንዱ ግን እቲ ሓላፍነት ንመንግስቲ እዩ ዝምልከት ይብል። “ኤርትራውያን ሞያውያን ሓካይም፡ መባእታዊ መሳርሒታትን መድሃኒትን እንተቐሪቡሎም ብዘይ ናይ ግዳም ደገፍ ብዓቕሞም ብዙሕ ክሰርሑን ህዝቦም ከገልግሉን ይኽእሉ እዮም” ዝብል ዶ/ር ሃብተኣብ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ሓንቲ ሃገር ዝብርኽ “ቅርዑይ ፖለቲካዊ መሪሕን ጽፉፍ ፖሊሲ ጥዕናን” ምስ ዝህሉ እዩ ይብል። በዚ ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብጎ ፋንድ ሚ ንሕክምና ውልቀ ሰባት ዝሕተት ሓገዝ፡ መንግስቲ ጽፉፍ ፖሊሲ እንተሓንጺጹን ግሉጽን ርትዓውን ምሕደራ እንተተኸቲሉን፡ ብዙሕ ነገር ክሳለጥ ከምዝኽእል እምነቱ ይገልጽ። ዶ/ር ኣስቴር፡ እዚ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሓገዝ ዝሓትት ዘሎ ዓቕሉ ዝጸበቦ ወገንና ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ከምዝበሃል፡ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ከም ህዝቢ ክንዮ ጎ ፋንድ ሚ ክንሓስብ፡ መንግስቲ ንዜጋታቱ ናይ ኮቪድ ክታበት ክወስዱን ጥዕናኦም ክከላኸሉን ከፍቅድ ክንሓትትን ሓላፍነቱ ክስከምን ክንጽውዕ ይግባእ ትብል። “ሓደ ሓዉ ወይ ሓፍቱ፡ ኣቦኡ ወይ ኣደኡ፡ ቀረባኡ ዝሓመሞ ዝተጨነቐ ሰብ፡ ጭንቁ ጥራይ ስለዝረኣዮ ንህዝቡን ወገኑን ሓግዙኒ ክብል ሓቁ እዩ። ግን ብጎ ፋንድ ሚ ዝርከብ ሓገዝ ግዝያዊ እምበር ዘላቒ ፍታሕ ስለዘየምጽእ ከም ዜጋታት ንነባሪ ፍታሕን ኣገልግሎት ጥዕናን ክንሰርሕ እዩ ዝግባእ፡” ትብል። ዜጋታት ኣብ ሃገሮም ግቡእ መሰረታዊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ስለዘይረኸቡ፡ ንኽሕከሙ፡ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ናብ ዱባይን ቱርክን ገይሾም እቲ ወጻኢታት ልዕሊ ዓቕሞም ምስ ኰነ’ዮም ንህዝቢ ርድኡና ዝብሉ ዘለው፡ ዝብል ኣቶ ዮሃንስ ፈርዲናንድ፡ ኣብ ዓዲ ርኡይ ሕጽረት ኣገልግሎትን ብቕዓትን ትካላት ሕክምና፡ ከቢድ ድኽነትን ቍጠባን ስለዘሎ ኣብ ስደት ናብ ዝነብሩ ደቈም ወይ ቤተሰቦም ከምዘእውዩ የረድእ። እንተዀነ ይብል ኣቶ ዮሃንስ ብፍላይ እቲ ንጥዕና ዝምልከት ኣርእስቲ ብጎ ፋንድ ሚ ክፍታሕ ስለዘይከኣል፡ መንግስቲ ጥዕና ህዝቢ ንምውሓስ ዝከኣሎ ክገብር ይጽውዕ። “ወዮ ደኣ እቶም ኣብ ስደት እንነብር ደገፍቲ ተቓወምትን መንግስቲ ኴንና ተፈላሊና ኣለና እምበር፡ ንጕዳይ ህዝቢ ኣብ ዝምልከት ነገራት ንኣብነት፡ እቲ ንሓገዝ ጥዕና ዝዋጻእ ገንዘብ ኣብ ሓደ እሙን ማዕከን ተኣኪቡ ዝተጸገሙ ዜጋታት ብማዕርነት ዝግለገልሉ ሲይስተም ሓቢርና ክንፈጥር እንተንኽእል ዝሓሸ ምዀነ፡” ይብል። ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ ንጽጕም ምሕጋዝ ዝጸንሐን ዝነበረን እዩ። ኣብ መታሕት ይዅን ከበሳታት ኤርትራ ንኣብነት ሰባት ኣኣብ ዓዶም ንዘለው ጽጕማት፡ ብጥዕና ይዅን ብዕድመ ዓዲ ዝወዓሉ ሽማግለታት ግራውቶም ሓሪሱ ዘራእቶም ይእክበሎም። ኣደታት ብወገነን ለንቂጠን ጥሒነን፡ ጠቢተን ሰንኪተን ይምግባኦም። ሩባ ወሪደን ማይ የስትያኦም ክዳውንቶም ይሓጽባሎም። ብኸምዚ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ጽጕማቶም ክጥወሩ ዝጸንሐ ባህሊ እዩ። እዚ ኣብዚ ቀረባ ግዜያት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሕተት ዘሎ ጻውዒት ሓግዙና እውን መሰረቱ እቲ ዝጸንሐ ባህሊ ይዅን እምበር፡ ነባሪ ፍታሕ ስለዘየምጽእ ከም ልምዲ ከይስዕርር ከም ዜጋታት ናብቲ ነባሪ ፍታሕ ከነድህብ ኣለና፡ ትብል ዶ/ር ኣስቴር። ንሳ ወሲኻ፡ “ተጸጊመ ንዝበለ ወገነይ 100 ወይ 200 ዶላር ብምሃብ ሕልናይ ኣዕጊበ ደቂሰ ክሓድር ይኽእል ይኸውን። ግን ግዝያዊ ፍታሕ እምበር ነባሪ ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ብምባል እቲ ንህዝቢ ዘድሊ ዘሎ ነገር ነባሪ ፍታሕ ምዃኑ ብኣጽንዖት ትዛረብ። ኣቶ ዮሃንስ ብወገኑ፡ ካብ ዝሓለፈ 15-20 ዓመታት ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ ኣብ ጕዕዞ ስደት፡ ኣብ ሰሃራን ሊብያን ኣብ ኣጻምእ ሲናይን ሱዳንን ጅሆ ንዝተታሕዙ ወገናቱ ንኸፍትሑ ክሳብ 30-40 ሽሕ ዶላር ብምኽፋል ናይ ኢዱን እግሩን ከምዝነገፈ ብምርዳእ፡ “እዚ ሕጂ ብብዝሒ ዝቀላቐል ዘሎ ጻውዒት ጎ ፋንድ ሚ ከኣ ገሊኡ ንውልቃዊ ረብሓ ዘድሃበ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ብንቕሓት ክንርእዮን ከም ዜጋታት ንግዝያዊ ፍታሕ ዘይኰነስ ናብ ነባሪ ፍታሕ ከነድህብ ኣሎና” ይብል። ዶ/ር ሃብተኣብ እውን ንጽጕማት ኣሕዋት ምሕጋዝ ቅዱስ ተግባር’ኳ እንተዀነ እቲ ቀንዲ ጸገም ኣበይ እዩ ዘሎ? ቍስልናን ሽግርናን ኣበይ እዩ ዝርከብ ኢልና ብደቂቕ ኣጽኒዕናን ተመራሚርናን ናብ ነባሪ ሓባራዊ ፍታሕ ከነድህብ ይግባእ ክብል ርእይቶኡ ይገልጽ። ህንዲ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝዛየደላ ሃገር ጓል 13 ዓመት ራኒ ተመሃሪት 8ይ ክፍሊ'ኳ እንተኾነት ወለዳ ንክትምርዖ ሓያል ጸቕጢ ይገብሩላ። ዋላ'ውን ትሕቲ ዕድመ እንተኾነት እቲ ተገዲዳ ክትኣትዎ ዝተሓሰበ መርዓ ግን ተቓሊሳ ክተርፍ ገይራ'ያ። ኣብ ህንዲ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምቁጽጻር ሙሉእ ዕጽዋ ክእወጅ እንከሎ ካብ ትካላት ንግዲ ጀሚሩ ክሳብ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም። ብሕማም ዓባይ ሰዓል ዝሳቐ ዝነበረ ወላዲ ኣቦ ራኒ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ (ብወርሒ መጋቢት) ንጓሉ ዝኸውን ሕጹይ ረኺቡላ። ራኒ ኣይተሓጎሰትን። "ስለ ምንታይ ኩሉ ሰብ ዘይባጽሓ ደቂ ኣንስትዮ ንክምርዖ ከም ዝጻደፍ ኣይፈልጥን። ተማሂርና፣ ስራሕ ሒዝና ዓርስና ከም እንኽእል ኣይርድኦምን" ትብል። ኣብ ህንዲ 18 ዓመት ዘይመልኣ ጓል ኣንስተይቲ ምምርዓው ገበን'ዩ። ይኹን'ምበር ህንዲ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ቑጽሪ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ዝፍጸመላ ሃገር'ያ። ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህንዲ ብመርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ። ዓመታዊ ኣስታት 1.5 ሚሊዮን ትሕቲ ደቂ ኣንስትዮ 18 ዓመት ከይመልአን ይምርዓዋ። እዚ ቑጽሪ ኣብዚ ዓመት ሓፍ ክብል ከም ዝኽእል ድማ ይግመት። 'ቻይልድ ላይን' ዝተባህለ ሓገዝ ዝህብ ትካል ከም ዝብሎ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ ሓምለ ቑጽሪ ኣብ ዘይዕድመና ክንምርዖ ኢና ኢለን ዝመጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነጻጸር ብ19 ሚኢታዊት ወሲኹ'ዩ። ብምኽንያት ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሰነ ኣብ ዝነበረ ገደብ ምንቅስቓስ ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም'ዮም። እዚ ኣብ ዘይስሩዕ ስራሕ ዘይተዋፈሩ ዝሓውስ'ዩ። መንግስቲ ከም ዝብሎ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ሰራሕተኛታት ናብ ተትውልዲ ዓዶም ተመሊሶም ስራሕ ስኡናት ኮይኖም'ዮም። ኣብ ገጠር ዝነብሩ ወለዲ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ደቆም ምምርዓው ብሕታዊ መማረጺ ገይሮም ክወስዱዎ ተራእዩ'ዩ። ካልእ ድማ ስድራ መመርዓውቲ ቅድም ኢሉ ስነ ስርዓት መርዓ ኣብ ዝፍጽሙሉ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ ብምንባሮም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓቐን እቲ ዝፍጸም መርዓ ስለ ዝጎደለ ብዙሕ ናይ መርዓ ሕቶታት ይቐርብ ኣሎ። እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሰነ ምንቅስቓስ ክተፍቅድ እንከላ፡ ሕጂ'ውን ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽዮም'ዮም ዘለው። ቅድም ኢሉ ስድርአን ኣብ ዘይዕድሚአን ከመርዕውወን ዝሓስቡ ደቂ ኣንስትዮ፡ መምሃራነን መሓዙተንን'ዮም ጸግዒ ዝኾኑወን ነይሮም። ሰራሕተኛ ኣክሽን ኤይድ ስሚታ ካንጆው፡ "ኣዝዮም ድኻታት ዝኾኑ ሕብረሰተብ ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ኣየተባብዑን። ትምህርተን ምስ ኣቋረጻ ንክተእምኖም ድማ ከቢድ'ዩ" ትብል። ራኒ፡ ናይ ቀረባ መሓዝኣ ኣብዚ ዓመት ተመርዒዋ'ያ። ስድርኣ ከም ዘምርዕውዋ ምስ ፈለጠት ናብ ክፍሊ ሓደጋ ህጻናት ስልኪ ትድውል። ሓደ ትካል ሓገዝ ምስ ፖሊስ ብምትሕግጋዝ እቲ መርዓ ጠጠው የብሎ። ራኒ ግን ወላዲ ኣቡኣ ስለ ዝዓረፈ፡ ጸቕጢ ይበዝሓ። "ሕጂ ነቲ ስድራ ምምሕዳር ናተይ ሓላፍነት'ዩ። ትምህርቲ ክኽፈት ከሎ ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ ድልየት ኣለኒ። ግን ኣቦይ ብህይወት ስለ ዘየሎ ስራሕ ክሰርሕ ኣለኒ" ትብል። ደቂ ተባዕትዮ ህጻናት ድማ፡ ግዳያት ናይ ጉልበት ስራሕቲ'ዮም፤ ስድርኦም ንምሕጋዝ ኣብ ፋብሪካታት ክሰርሑ ይግደዱ። ሰራሕተኛ ኣክሽን ኤይድ ስሚታ ካንጆውን ናይ ስራሕ መሓዙታን ብርክት ዝበሉ ትሕቲ ዕድመ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዓበይቲ ፋብሪካታት ንክሰርሑ ከም ዝግደዱ ሓበሬታ በጺሑዎም'ዮም። ኣብ ህንዲ ህጻናት ናይ ጉልበት ስራሕ ክሰርሑ ምግዳድ ዘይሕጋዊ እንተኾነ'ውን፡ ኣብ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ ግን ካብ 260 ሚሊዮን ህጻናት ህንዲ እቶም 10 ሚሊየን ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሑ'ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብያተ ትምህርቲ ንምኽፋት እንታይ ቅድመ ምድላው ተገይሩ'ሎ? ኢትዮጵያ ለብዒ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዓሊማ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ እትዓጽው ኣዋርሕ ተቖጺሮም ኣለዉ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2013 ክኽፈታ ተወሲኑ'ሎ። ሚንስትሪ ትምህርትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን፡ እቲ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ንጥዕና ማሕበረሰብ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓደጋ ብዘየእቱ ኩነታት ንክቕጽል ዝተፈላለዩ ቅድመ ምድላዋት እናገበሩ እዮም። ካብ ሞንጎ እቶም ስራሕቲ ድማ ናውቲ ምክልኻል ኮቪድ-19 ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ክበጽሕ ምግባር ከምዝኾነ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሚንስትሪ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ወይዘሮ ሃረግ ማሞ ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ፡ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ መዕቀኒ ረስኒ ከምኡ'ውን መጽረዪ ኢድ ዝረኽባሉ ኩነታት እናተመቻቸወ እዩ። ተምሃሮ፣ መምህራንን ኩሎም ማሕበረሰብ ኣብያተ ትምህርትን ኮቪድ-19 ንምክልኻል ብሰብሞያ ጥዕና ንዝተሓበሩ መምርሕታት ግብራዊ ክገብሩ ከምዝግደዱ'ውን ተዛሪባ። ብሰንኪ እቲ ዓለማዊ ለበዳ ካብ ዝተኣጓጎሉ ጉዳያት ትምህርቲ እቲ ሓደ ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 8ይን 12ን ክፍሊ እዩ። እቶም ተምሃሮ ክወስድዎ ዘይከኣሉ ፈተና መዓዝን ብኸመይን ዝበለ ኩነታት ፍጸም'ዩ? ንዝብሉ ሕቶታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መልሲ ተዋሂቡ'ሎ። ሚንስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዘፍለጦ ናይ 8ይ ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና 22ን 23ን ሕዳር 2013 ዝወሃብ ኮይኑ፤ ነቲ ፈተና ዝወስዱ ድማ 7ይ ክፍሊ ተማሂሮም ዝወድኡን ኣብ 8ይ ክፍሊ ቀዳማይ ሰሚስተር ዝተምሃሩን ጥራይ እዮም። ብተመሳሳሊ፡ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክወስዱ ዝኽእሉ ተምሃሮ 11 ክፍሊ ዝዛዘሙን ኣብ 12 ቀዳማይ ሰሚስተር ዝተምሃሩን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ'ዩ። እቲ ፈተና ድማ ካብ 28 ሕዳር ክሳን 1 ታሕሳስ 2013 ኣ.ኢ ከምዝወሃብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ዘውጽኦ መግለጺ የመልክት። እቲ ፈተና ብኦንላይን'ዩ ክወሃብ። ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ዝርግሐ ኢንተርኔትን ምቁርራጽ ኣገልግሎትን ብዝተሓሓዝ ንዘለዉ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝርከባ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ነዚ ከምዝተመረጻ ወይዘሮ ሃረግ ንቢቢሲ ተዛሪባ። ብፍላይ ምስ ምቁርራጽ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ብዝተሓሓዝ እኹል ናይ ቅድመ ምድላው ስራሕቲ ይሳለጥ ከምዘሎ ኣረዲኣ። ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትምህርቲ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ዝበዝሑ ተምሃሮ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ኣብ ዝተገደዱሉ ኩነታት ኣብ ገለ ናይ ውልቀ (ብሕቲ) ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ግን ብኦንላይን ይኹን ካልእ ኣማራጽታት ሓገዝ ትምህርቲ እናረኸቡ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ'ውን ብሬድዮ፣ ተሌቪዥንን ማሕበራዊ መራኸቢ ቴሌግራምን ብምጥቃም ትምህርቲ ንምሃብ ከምዝፈተነ ይግለጽ። ኣብታ ምሉእ ሃገር ዝርከቡ ተምሃሮ ግን ነዚ ዕድል ኣይረኸቡን። እዚ ክኸውን ኣብ ዘይከኣለሉ ኩነታት ደኣ ብኸመይ ማዕረ ብፈተና ክምዘኑ ይኽእሉ? ዝብል ሕቶ ይለዓል። ቢቢዚ ነዚ ሕቶ ዘቕረባላ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮኒዩኒኬሽን ሚንስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሃረግ፡ ፈተና ዝተዳለወሉ ኩነታት ነዚ ኣብ ግምት ከምዘእተወ ሓቢራ። "ብፍላይ ኣብ ከባብታት ገጠር ንዝርከቡ ተምሃሮ ዘማእኸለ ንክኸውን ጌርና ኢና" ትብል። እቶም ተምሃሮ ንኽዳለዉ 45 መዓልታት ዝወሃቦም ኮይኑ እቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስራሕ ስነልቦንኦም ምስ ትምህርቲ ክራኸብ ምግባር ከምዝኸውን ኣረዲኣ። ምስዚ ጎኒንጎኒ ድማ ዘይተሸፈኑ ክፍልታት ትምህርቲ፣ ብኽለሳን መከሓሓሲ ትምህርትን ክማልኡ ከምዝግብር ሓቢራ። ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሰሙናት ንክኸፈታ እዩ ተወሲኑ ዘሎ። ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ብሰለስተ ዙር ከምዝኽፈታ'ውን ተፈሊጡ'ዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ናብ ቤት ትምህርቲ ዝመጽኡ ተምሃሮ ቁጽሮም ንምንካይ ምድላው ከምዝወገነ ሚንስትሪ ትምህርቲ ገሊጹ'ሎ። ነዚ ድማ ዝተፈላለዩ ኣማራጽታት ዝጥቀም ኮይኑ ናብ ሰለስተ ፈረቓ ምምቃል እቲ ሓደ ኣማራጺ ከምዝኸውን ተሓቢሩ'ሎ። በዚ ምኽንያት ከጋጥም ንዝኽእል ሕጸረት መምህራን ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ኣብ በቢ ከባቢኡ ዝርከቡ ወለንተኛታትን ብጡረታ ዝተሰናበቱ መምህራንን ናብ ኣገልግሎት ክኣትዉ ክግበር'ዩ። ብዘይካ'ዚ እዋን ምረቕኦም ዝኣኸለ ሓደሽቲ ምምህራን ብቕልጡፍ ተመሪቖም ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ ወይዘሮ ሃረግ ንቢቢሲ ኣረዲኣ። ኤርትራ፡ ሱዳንን ዝምባብወን ንዑደት ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ኮኒነን ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዑደት ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ኮኒኑ። እቲ ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ዝተቓልሐን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሚኒሰትሪ ዜና እታ ሃገር ዝዀነ ሻባይት ዝወጽአን መግለጺ፡ ዑደት ናንሲ ፔሎሲ፡ ጉድለታትን ዕሽነትን ዓለማዊ ፖሊሲ ኣሜሪካ ዝያዳ ዝተራእየሉ ምዃኑ ይገልጽ። እቲ መግለጺ “ኣሜሪካ፡ ንቻይና ናይ ምዕጋት ፖሊሲኣ ንምሕያል ኣብ እትጽዕረሉ፡ ጻሕታሪ ዑደት እታ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ምስ ኵሉ ሓደገኛ ጫሌዳታቱ ኣዋዲዳ” ይብል። ብተወሳኺ “እዚ ተግባር ግን ናይቲ ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ነዚ ዕላማኡ'ዚ ንምስጓም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኤስያ ክኽተሎ ዝጸንሐ ሸለልትነት ዝመልኦ ፖሊሲታት መቐጸልታ ጥራይ እዩ፡” ኢሉ። ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን፡ ኣብቲ ካብ 1998-2000 ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘካየዳኦ ደማዊ ውግእ፡ ኣሜሪካ ጸግዒ ኢትዮጵያ ወሲዳ ብምባል፡ ኤርትራ ድሕሪ ምኽሳሳ እዩ ክሕርፍፍ ተራእዩ። ሱዳን ብወገና ኣብ ሓንቲ ቻይና ከምእትኣምን ብምግላጽ፡ ዑደት ናንሲ ፔሎሲ ዘይቕቡል ምዃኑ ምግላጻ ብመንግስቲ እትውነን ማዕከን ዜና ሱና ትማሊ ኣቓሊሓ። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ እቲ ንዝምባብወ ዝምርሕ ዘሎ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ'ውን፡ ናንሲ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ዑደት ምክያዳ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ቻይና ዘለዋ ‘ንዕቐት’ ዘርኢ’ዩ ብምባል ንኣሜሪካ ኮኒኑ። ጸሓፊ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ክሪስቶፈር ሙትሰቫንግዋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዑደት ፔሎሲ ናብ ታይዋን “ጣልቃ፡ ምትዅታኹን ዕሽነትን’ዩ” ኢሉ። ክሪስቶፈር ሙትሰቫንግዋ “ሓንቲ ቻይና እያ ዘላ፡ ታይዋን ከኣ ኣካል ቻይና እያ” ድሕሪ ምባል “ዑደት ፔሎሲ ንዓለም ናብ ሓድሽ ሃው ዝበለ ኵናት ከምርሓ ይኽእል እዩ” ኢሉ። “ዑደት ፔሎሲ ንልኡላውነት ቻይና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለዝዀነ፡ ቻይን ልኡላውነታ ናይ ምሕላው መሰላ ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ሓይሊ ምጥቃም ከም ኣማራጺ ክትወስዶ ትኽእል እያ” ይብል ክሪስቶፈር ሙትሰቫንግዋ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ሱዳንን ዝምባብወን ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ቍጠባዊ እግዳ ከምዘንበረት ይፍለጥ። ሱዳን፡ ንኣልበሽር ዝኣለየ ናዕቢ ንምዝካር ናብ ኣደባባያት ዝወጹ ሰልፈኛታት ንወተሃዳራዊ ዕልዋ ተቓዊሞም ነቲ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ኣልበሽር ዝተዓልወሉ ሰፊሕ ህዝባዊ ዓመጽ ንምዝካር ናብ ኣደባባያት ዝወጽኡ ሱዳናውያን ኣንጻር ወተሃደራዊ ዕልዋ ተቓውሞ ኣስሚዖም። ዋና ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነት ካርቱም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ሱዳናውያን ናብ ኣደባባያት ብምውጻእ ተቓውሞ ኣብ ዘስምዑሉ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ። ኣብ 2019 ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ነቲ ኣብ ሱዳን ንነዊሕ ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ መላኺ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ይዝከር። ድሕሪ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ሲቪላውያንን ወተሃደራዉን መራሕቲ ስልጣን ንምምቕራሕ ናብ ስምምዕ በጺሖም። ስምምዖም ከኣ ክሳብ’ቲ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጸኒሑ። ኣብታ ሃገር ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስዒቡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ዳግም ናብ ስልጣኑ ክምለስ ተገይሩ። ዋላ ሓምዶክ ናብ ዝነበሮ ስልጣን ክምለስ እንተተገበረ፤ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ግን ደው ክብል ኣይከኣለን። ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊ መንግስቲ ክቐውም ዝጠልብ ድምጽታት ተቓውሞ ክስምዑ ቀጺሎም። ትማሊ ሰንበት ናብቲ መራሒ ዕልዋ ዝኾነ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ዝነብረሉ ቤተ-መንግስቲ ዝገስገሱ ኣሽሓት ሰልፈኛታት “ህዝቢ’ዩ ሓያል፤ ምድሕርሓር ፈጺሙ ኣይክህሉን” ክብሉ ተሰሚዖም። እቲ ጀነራል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድማ ጸዊዖም። ሓደ ካብ ሰልፈኛታት “ዋላ’ውን ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ እንተተመለሰ ዝኾነ ዓይነት ዕልዋ ተቐባልነት የብሉን። እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዘካየድናዮ ዘደንቕ ሰውራ [መሰረታዊ ለውጢ] ሲቪላዊ ትካልን ስልጣንን ንምምጻእ’ዩ ነይሩ። ንረብሓ ውልቀሰባት ኣይኮነን ተኻይዱ” ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዘይካ ኣብ ካርቱም ኣብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር’ውን ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ’ሎ። ሰልፈኛታት ከኣ ባንዴራ ሱዳንን ስእልታት ናይቶም ኣንጻር ዕልዋ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝተቐተሉ ብጾቶም ሒዞም ተራእዮም። ዕልዋ ካብ ዝተኻየደሉ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ሎሚ ብውሕድ 45 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሓደ ዘይሻራዊ ኮሚቴ ዶካትር ይሕብር። ብመሰረት እቲ ኣብ 2019 ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣኑ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብ ትጽቢት ይግበር ነይሩ። ዕልዋ ዝተኻየደሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ ገለ ፖቲካዊ ጉጅለታት፡ ዜጋታት እታ ሃገር ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ክለዓዓሉ ብምግባሮም ንዘንጸላለወ ኲናት ሓድሕድ ንምቁጽጻር ከምዝኾነ ይሕብር። መንግስቲ ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ክካየድ ዝተተለመ ምርጫ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ድልው ከምዝኾነ’ውን ይገልጽ። ተቓውሞ ዘስምዑ ሰልፈኛታት ግን በዚ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ብምሕባር ተቓውሞኦም ቀጺሎም ኣለዉ። ዲቪ ሎተሪ፡ ዲቪ ዝበጸሖም ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ንመንግስቲ ኣመሪካ ከሲሶም ዲቪ በጺሕዎም ናብ ኣመሪካ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ዝደንጎዮም ኢትጵያውያንን ሱዳናውያንን ንመንግስቲ ኣመሪካ ከሲሶም። እቶም 12 ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን፡ ኣብ 2022 ናይ ኣመሪካ 'ሎተሪ ዳይቨርሲቲ ቪዛ' ተዓወትቲ እኳ እንተኾኑ ናብ ኣመሪካ ዘእትዎም ናይ ጉዕዞን መንበርን ፍቓድ ክረኽቡ ግን ኣይከኣሉን። ከሳሲ 'ተስፋዬ' ን ተኸሳሲ 'ብሊንከን'ን ኣብ ዝብል ብዝተኸፈተ ናይ ክሲ መዝገብ፡ ቪዛ ዝረኽቡሉ ከይዲ ካብተን ኣገልግሎት ምሃብ ደው ኣቢለን ዘለዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምን ዝርከባ ኤምባሲታት ወጻኢ ከይሳለጥ ካብ ሕጊ ወጻእ ተኸልኪልና ክብሉ ከሲሶም። እተን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከባ ኤምባሲታት ስሩዕ ኣግለግሎት ቪዛ ምሃብ ኣይጀመራን። ብመሰረት ሕጊ ፍልሰት ኣመሪካ ተዓወትቲ ዲቪ ሎተሪ ዝኾኑ ሰባት ናይ ቤት ፍርዲ ተቓውሞ እንተዘይሃልዩ ቅድሚ እቲ ከይዲ ዝዛመሉ መዓልቲ 30 መስከረም 2020 ንቃለ መሕተት ክቐርቡ ይግባእ ነይሩ። ነቶም ከሰስቲ ወኪሉ ዝከራኸር ከርቲስ ሊ ሞሪሰን "30 መስከረም ቪዛ እንድሕር ዘይተዋሂብዎም፡ ንሳቶምን (እቶም ከሰስትን) ኣመሪካን ወርቃዊ ዕድል ክስእኑ እዮም" ኢሉ። ብተወሳኺ ምምሕዳር ባይደን ንጉዳያት ዲቪ ቀዳምነት ምሃብ ከምዝገደፎ እቲ ወኪል ገሊጹ። ካልእ ነቶም ስድራቤታት ዘማኽር ራፋኤል ኡረና ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ድማ ምምሕዳር ባይደን ዋላኳ ቃል እንተኣተወ፡ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብፍላይ ንኣመልከትቲ ዲቪ ቃሉ ኣይኽበረን ኢሉ። ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዒራቓውያን ተዓወትቲ ዲቪ ክሲ ኣቕሪቦም ዝነበሩ ኮይኖም ቃለ መሕተት ዘካይዱሉ ቦታ ምስተቐየረሎም ግን ነቲ ክሲ ኣቋሪጾምዎ እዮም። "ዳይቨርሲቲ ኢሚግራንት ቪዛ' ዓመታዊ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣስታት 50 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝገብር ኮይኑ ኣፍሪቃውያንን ጸለምቲ ስደተኛታትን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዘኽእል ዝዓበየ ዕድል ምዃኑ ይፍለጥ። ኣመሪካዊት ዲፕሎማሰኛ ኣብ ቀይዲ ንዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ረኺባ ኣዘራሪባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ክፍሊ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ መገሽኣ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ፡ ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ረኺባ ኣዛሪባቶ። ወይዘሪት ሞሊ ፊ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ምንታይ ኣድሂቦም ከምዝተዘራረቡ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃበት፡ እቲ 'ዲሞክራስያዊ መሰጋጋገሪ መንግስቲ ናብ ንቡር ቦትኡ ዝምለሰሉ' መገዲ ኣመልኪቶም ከምዝተዘራረቡ ኣብ ትዊተራ ኣስፊሩ። ኣመሪካ፡ ነቲ ብጥቅምቲ 25 ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣትሪራ ምኹናና ዝዝከር እዩ። ነቲ ዕልዋ ስዒቡ፡ እቲ ሓበራዊ ወተሃደራውን-ሲቪላውን ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዝፈረሰ ኾይኑ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ሓዊሱ ብዙሓት ሲቪላዊ መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ይርከቡ። እቲ ወተሃደራዊ መራሕትን ሲቪል መራሕትን ዝሐቖፈ ልፍንቲ፡ ፕረዚደንት ዖማር ኣልበሺር ካብ ስልጣን ምእለዩ ስዒቡ ነታ ሃገር ናብ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምስግጋር ዘኽእል መረጻ ንክካየድ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ። ሮይተርስ ከምዝበሎ፡ ወይዘሪት ሞሊ ፊ ነቲ ብድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዘሎ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን'ውን ኣዛሪባቶ እያ። እቲ ወኪል ዜና ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ሱና ጠቒሱ ከምዝጸብጸቦ ድማ፡ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሲቪል መራሕቲ ምፍታሕ ተጀሚሩ ኣሎ። እንተኾነ፡ ሰልፍታት ተቓውሞ ኣብ ሱዳን ክካየድ ቀንዩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ መሳርሕቶም ዝተኣሰርዎም ጋዜጠኛታት፡ ነቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ብምኹናን ንበይኖምሰልፊ ተቓውሞ ወጺኦም ውዒሎም። ጀነራል ቡርሃን፡ እቲ ሓበራዊ ሲቪል-ሰራዊት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ኣፍሪሱ ንሲቪላውያን መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ስዒቡ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰፊሕ ተቓውሞ ኣተኣናጊዱ ይርከብ። ካብኡ ጀሚሩ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራስያውን ሲቪላውን መሰጋጋሪ መንግስቲ ንክጣየሽ ዝሓቱ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኦም ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ብቀዳም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ሓያሎ ሓይልታት ጸጥታ ዝነበረ ኾይኑ ሓሙሽተ ሰልፈኛታት ከምዝተቐትሉ ኮሚቴ ማሕበር ደኳትር ሱዳን ገሊጹ። ፌስቡክ ኣብ ሱዳን ምስ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ምትእስሳር ንዘለዎም 735 ገጻት ዓጽዩ ፌስቡክ "ዝተወደበ ዘይርጉጽ ባህርያት የንጸባርቑ እዮም" ዝበሎም ምስቲ ኣብ ሱዳን ግኑን ዝኾነ ሓውሲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣርኤስኤፍ ምትእስሳር ዘለዎም 735 ገጻት ዓጽዩ። እቲ ትካል ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንነበርቲ ሱዳን ዘነጻጸሩ 116 ገጻት፡ 666 ናይ ፌስቡክ ኣካውንታት፡ 69 ግሩፓትን 92 ናይ ኢነስታግራም ኣካውንታትን ኣሊና ኣሎና" ኢሉ። እቶም ገጻት ምስቲ ብመንግስቲ ሱዳን ዝመሓደር ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ (ኣርኤስኤፍ) ምትእስሳር ዘለዎም ምዃኖም'ውን ገሊጹ። "እቶም ብድሕሪ እዞም ገጻት ዘለው ሰባት፡ ናይ ሓሶት ኣካውንት ተጠቂሞም ነቶም ገጻት፣ ልጣፋትን፣ ርእይቶታትን ብምቁጽጻር፡ ህቡብነት ከም ዘለዎም ንምምሳል ዝፍትኑ እዮም። መብዛሕትኦም'ውን ብኣውቶማቲካዊ ስርዓታትና ድሮ ተፈሊጦም ተዓጽዮም እዮም" ኢሉ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "ገለ ካብቶም ገጻት፡ ነጻ ናይ ዜና ትካላት ምዃኖም እዮም ዝገልጹ። ገሊኦም ከም ወለንተኛታት፡ ጋዜጠኛታትን ተማሃሮን ሱዳን ንምምሳል ዝፍትኑ ኮይኖም ናይ ህቡባት ሰባት ስእሊ ዘለዎም እዮም" ይብል። ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የሎን። እቲ ብምኽትል ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ደጋሎ ወይ'ውን ሐመቲ ዝምራሕ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት እታ ሃገር ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ። እቲ ጉጅለ ግና ነቲ ክስታት ይነጽጎ። ፌስቡክ ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ውን ናብ ሱዳናውያን ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘተኮሩ ኣብ ዝበሎም ገጻት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዱ እዩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ተጻባዕቲ ምዃኖም ዝገለጾም 53 ገጻት ደምሲሱ እዩ። በይዛኹም ፍርዲ ገበነኛ ሃብዎም፡ ሱቕ ኢልኩም ከይትሰድዎም” ኢሉ ይምሕፀን። ኣድሪው ክዋሞ፡ ብጾታዊ ትንኮያ ዝተኸሰሰ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ ኣንድሪው ኩዋሞ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ምስ ወጽአ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ። ንሱ ግን እዚ ንዓይ ንምእላይ ዝተገብረ'ዩ ብምባል "ሕጂ ዝሓሸ ዝብሎ እልይ ምባል'ዩ" ብምባል ሕጂ'ውን እቲ ክሲ ከም ዘይቕበሎ ተዛሪቡ። መስርሕ ምልቃቕ ስልጣን እቲ ኣመሓዳሪ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ግብራዊ ክኸውን እዩ። ኬቲ ሆቹል ድማ ጊዝያዊት ኣመሓዳሪት እታ ግዝኣት [ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት ኒውዮርክ] ክትኸውን እያ። ኣባል ዴሞክራት ኩዋሞ፡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ሓዊሱ ብዙሓት ኣባላት እቲ ሰልፊ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክሓቱዎ ቐንዮም። ንሱ ብምኽንያት ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ሳልሳይ ኣመሓዳሪ ኒውዮርክ'ዩ። ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት ኣብ ዘካየዶ ዘይሻራዊ ምጽራይ፡ ወዲ 63 ዓመት ኩዋሞ ንሰራሕተኛታት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 11 ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኢሉ። እቲ ኣመሓዳሪ ተቐባልነት ዘይብሉን ኣብ ድልየት ዘይተመስረተን ምትንኻፋት ፈጺሙን ብዙሓት ጽዩፋት ዘረባታት ተዛሪቡን እዩ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ። እዚ ጸብጻብ፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ናንሲ ፔሎሲ፣ መራሒ ሰኔት ቹክ ሹመርን ክልተ ሴናተራት ኒውዮርክን ኣንጻሩ ክለዓሉ ገይሩ'ዩ። ኣባላት ዴሞክራት እታ ግዝኣት'ውን ኣብ ልዕሊኡ ክሲ ንምምስራት ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለው። ኣንድሪው ኩዋሞ፡ ትማሊ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ክገልጽ እንከሎ እቶም ዝቐርብሉ ዘለው ክስታት እኳ እንተነጸጎም ብተግባራቱ ንዝሓረቓ ወይ ዝተቖጥዓ ደቂ ኣንስትዮ ግን "ዓሚቕ . . ዓሚቕ" ይቕሬታ ይሓትት ኢሉ። "ብሕልናይ ምስ ዝኾነ ሰብ ዝጠሓስኩዎ መስመር የለን፤ ግን ድማ እቲ መስመር ክሳብ ኣበይ'ዩ ተሓንጺጹ ነይሩ ዝብል ኣይተገንዘብኩን" ኢሉ። ወሲኹ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት "ፖለቲካዊ ስለ ዝኾነ ክቃለሶ'የ" ኢሉ። እቲ ኩነታት፡ ንኣዋርሕ ክፈጥሮ ዝኽእል ምድንጋር ስለ ዘሎን "ከፈልቲ ግብሪ ሚሊዮናት ዶላራት ስለ ዘኽስሮምን" እየ ካብ ስልጣን ዝወርድ ዘለኹ ክብል እውን ተዛሪቡ። ብተወሳኺ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ምስ ደቁ ዝነበሮ ዝምድና ከም ዝሃሰዮ ሓቢሩ። "ንሰሙናት ኣብ ሳሎን ምስ ደቀይ ከፍ ኢለ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ዘጽልእ ጠቐነ ክሰምዕ ቐንየ። ኣብ ገጸንን ዓይነንን ዘሎ ምልክታት ርእየዮ፤ ኣዝዩ ይጎድኣካ" ኢሉ። ንደቁ "ፈጺመ ኣይወዓልኩዎን፤ ክብሪ ጓል ኣንስተይቲ'ውን ክትንክፍ ኣይኽእልን ኢለየን" ይብል። ፕሬዝደንት ባይደን ንውሳነ እቲ ኣመሓዳሪ ከም ዘኽብር ንዋይት ሃውስ ተዛሪቡ። ወሃቢት ቃል ጄን ፒሳኪ ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኩዋሞ ዝቐርቡ ዘለው ክስታት ዝሕብር ጸብጻብ ካብ ዝወጽእ ንድሓር እቲ ፕሬዝደንት ከም ዘይረኸቦን ብዛዕባ ካብ ስልጣኑ ምውራድ ከም ዘየማኸሮን ተዛሪባ ነይራ። ሓው ንኩዋሞ ዝኾነ ኣንባቢ ዜና ሲኤንኤን ክሪስ ኩዋሞ'ውን ነቲ ኣመሓዳሪ የማኽሮ ነይሩ'ዩ ብዝብል ካብ ስርሑ ክለግስ ጎስጓስ ይካየድ ኣሎ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ መጀመርታ ዝቐርበሉ ዝነበረ ክሲ ኣብ ኣየር ከይውዕል ብምግባሩ ይቕሬታ ክሓትት እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዝበሃል ዘሎ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን። ኣብ 2022 ዘበነ ስልጣኑ ዘብቅዕ ኣመሓዳሪ ኩሞ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ'ታ ዘመሓድራ ግዝኣት ንኮሮረናቫይረስ ብዝነበሮ ኣተሓሕዛ ይውደስ ነይሩ። ሎምዘበን ድማ፡ ኣብ መሐብሐቢ ማእከላት ንዝነበረ ሞት ብምሽፍፋን ተኸሲሱ። ኬቲ ሁቹል፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣመሓዳሪት እታ ኣብ ኣመሪካ ብብዝሒ ህዝቢ ራብዐይቲ ዝኾነት ግዝኣት ክትከውን እያ። ጓል 62 ዓመት ኬቲ፡ ብ2014'ያ ኣካል እቲ ምምሕዳር ኮይና ተጸምቢራ። ኣብ ዙርይኡ ዘላ ሰብ'ኳ እንተዘይኮነት ብሰሉስ ግን "ንፍዕትን ተነሓናሒትን" እያ ክብል ገሊጹዋ። ኩዋሞ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ትኽኽል ከም ዝኾነ ብምግላጽ ድማ "ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት መንግስቲ ዘገልገልኹ ሰብ ስለ ዝኾንኩ፡ ሕጂ ድማ መበል 57 ኣመሓዳሪት ኒውዮርክ ኮይነ ክሰርሕ ድልውቲ'የ" ክትብል ኣብ መግለጺኣ ሓቢራ። ኣብ 2022 ኣብ ዝካየድ መረጻ ንምምሕዳር ክትወዳደር ድያ ዝብል ግን ኣይተፈልጠን። ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ሓገዝ ከይረኽባ ከልኪሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትካላት ጥዕናን ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ሓገዛት ከይረኽቡ ከልኪሉ ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ከሲሱ። እዚ 89 ገጽ ዘለዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኲናት ካብ ዝጅመር ንድሓር ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሐን ካብ ሽዱሽተ ክሳብ 80 ዓመት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ጥዕናዊ ጸገማት፣ ስነ ኣእምሮኣዊ በሰላን ተነጽሎን ከም ዘጋጠመን ይገልጽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ከይበጽሕ ኸልኪሉ ዝብሉ ጸብጻባት ክነጽጎም ጸኒሑ እዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙን ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሐን ሓቢሩ። እዚ ድማ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን እቲ ሕብረሰተብን ሕክምናዊ ረድኤት ንከይረኽቡ ከም ዝገበረ ይገልጽ። ብተወሳኺ ብምኽንያት እቶም ኣብቲ ክልል ዝተፈጸሙ ጾታዊ ዓመጻት ዝስዓበ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ሃሰያ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ እዚኦም ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፣ ምስባር ኣዕጽምቲ፣ ናይ መውጋእቲ ቑስሊ፣ በሰላ ዝፈጠሩ ጸገማት ፌስቱላን ድሕሪ ስንባደ ዘጋጥም ጭንቀትን ከም ዝርከቡዎም ኣስፊሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጽአ ሓበራዊ ጸብጻብ መርመራ ጾታዊ ዓመጻት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ገበናት ኲናት ተፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ምግላጹ ይዝከር። ገሊኦም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ክብል እንከሎ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ዘይሕጋውን ጃምላዊን ቕትለት፣ ምስቓይ፣ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ሓዊሱ ከበድቲ ዝርዝራት ግህሰታትን መጥቃዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ከምኡ'ውን ግዱድ ምፍንቓል ሰላማውያን ሰባት ዝሓዘ እዩ። "ኩሎም ኣብቲ ጎንጺ ዝተሳተፉ ኣካላት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንብረትን መጥቃዕቲ [ከም ኣባይቲ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሆስፒታላትን ትካላት እምነትን] ፈጺሞም ወይ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ንብረቶምን ጉድኣት ዘብጽሕ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ዘተኣማምን ነገር ኣሎ" ክብል እቲ ጸብጻብ ይገልጽ። ኣካል ናይቲ ኲናት ዝኾኑ መራሕቲ ትግራይ፣ መንግስቲ ኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግን እዚ ጸብጻብ ከም ዝቃወሙዎ ገሊጾም'ዮም። ይኹን'ምበር፡ ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ለገስትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኣካላትን ዝፍጽሙዎ በደላት ጠጠው ከብሉን ነቶም ክስታት ዓለምለኻዊ ምጽራይ ክካየድ ከፍቅዱን ጸቕጢ ክገብሩ ሓቲቱ ኣሎ። እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌዴራልን ዝጀመረ ኵናት ዓመት ከቑጽር እንከሎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ሰላማውያን ሰባት ኾይኑ ከም ዘሎ ይንገር። ክሳብ ሕጂ ተጻብኦታት ጠጠው ንምባልን ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምምጻእን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት'ኳ ይግበር እንተሎ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ግን ናብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ኣይክኣሉን ዘለዉ። ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻር ይደፍኡ ከም ዘለው ክገልጹ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበርን ዓቕሚ ዘለዎም ዜጋታትን ናብቲ ሰራዊት ምክልኻል ክጽንበሩ ይጽውዕ ኣሎ። ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ሓይልታት ትግራይ ንቕድሚት ዝገብሩዎ ዘለው ግስጋሰ ጠጠው ኣቢሎም ክምለሱ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዕግታ ክልዓልን ብሄር መሰረት ዝገበሩ ኣፈላላያትን ጽልእን ክግትኡን ኣተሓሳሲበን። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓል ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ግስጋሰ ከም ዝቕጽሉ ዝዛረብ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ግን ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንገብሮ ግስጋሰ ክቕጽል እዩ ብምባል ''ንፖለቲካዊ ጸገም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክፈትሖ እየ ዝብል ድልየት ዘለዎ'' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ እዩ ክብል ነቒፉ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣስታት ሸውዓተ ሚሊየን ህዝቢ ሰለስቲአን ክልላት ንህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ተቓዒሉ ከም ዝርከብ ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ። ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ቑጽሮም ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኣሽሓት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት። ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ተጻብኦታት ጠጠው ከብሉን ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዘኽእል መገዲ ብዘይተገደበ መልክዑ ክኸፍቱን ጻውዒት ይቐርበሎም ኣሎ። ጂምናስቲክስ ኣመሪካ ንግዳያት ጾታዊ ጥቕዓት 380 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ተስማሚዑ ብዶክተር ሃገራዊት ጋንታ ጂምናስቲክ ኣመሪካ ነበር ላሪ ናሳር፡ ጾታዊ ጥቕዓት ዝተፈጸመን ብኣማኢት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ 380 ሚልዮን ዶላር ክኽፈለን ምስ ማሕበር ጂምናስቲክ ኣመሪካ ተሰማሚዐን፡፡ አቲ ናይ ቤት ፍርዲ ምጉት ነቲ ስፖርት ኣመሪካ ኣዘራራቢ ዝገበረ ጽያፍ ተግባር ምስተፈጸመ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እዩ መዕለቢ ረኺቡ ዘሎ፡፡ ብጾታዊ ጥቕዓት ዝተኸሰሰ ናሳር ኣብ 2018 ማእሰርት ልዕሊ 300 ዓመት ተፈሪድዎ፡፡ ብዙሓት ተዓወትቲ ሜዳልያ ውድድር ኦሎምፒክ ዝርከበአን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት፡ እቲ ዶክተር ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝፈጸመለን መስኪረን እየን፡፡ እቲ ስምምዕ ካብቶም ምስ ጾታዊ ጥቕዓት ብዝኣሳሰር ዝተገበሩ ዓበይቲ ስምምዓት ሓደ ኮይኑ፡ ካብቶም ነጥብታት ሓደ ጂምናስቲክስ ኣመሪካን ኮሚተ ኦሎምፒክን ነተን ጥቕዓት ዝፈጸመን ደቂ ኣንስትዮ መቐመጢ ቦርድ ኣባልነት ክህቡ ዝገብር እዩ፡፡ ንፈለማ እዋን በቲ ዶክተር ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝተፈጸማ ኣብ 2016 ንህዝቢ ዕላዊ ዝገበረት ራቸል ደንሆላንደር፡ ነቲ ዜና ብኣወንታ ዝተቐበለቶ ኮይና ‘‘ኣብ መወዳእታ እዚ ምዕራፍ ተዓጽዩ ኣሎ’’ ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ፡፡ እቲ ስምምዕ ነቲ ብሳይሞን በይልስ፣ ኣሊ ረይስመንን ማክካይላ ማሮኒይን ዝርከበአን ተዓወትቲ ሜዳልያ ወርቂ ኦሎምፒክ ዘቕረበኦ ክሲ ዝሓውስ እዩ፡፡ ናሳር ብሓፈሻ ኣብ ዩኤስኤ ጂምናስቲክስን ዩኒቨርሲቲ ሚሺጋንን ጾታዊ ጥቕዓት ከምዝፈጸመለን ዝገልጻ ልዕሊ 330 ደቂ ኣንስትዮ ከሲሰነኦ፡፡ እቲ ዶክተር ፈለማ ምስተኸሰሰ ወኪላት ኤፍቢአይ እቲ ምርመራ ኮነ ኢሎም ንምድንጓይን ንምሽፍፋንን ብምፍታኖም እቲ ተኸሳሲ ተወሳኺ በደላት ንምፍጻም ግዘ ረኺቡ እዩ፡ ተባሂሎም ክውቀሱ ጸኒሖም እዮም፡፡ ጠበቓ እተን ግዳያት ብሰኑይ ነቲ ውሳነ ታሪኻዊ ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ነቲ ክሲ ንምጽራይ ፍቓደኛታት ዘይነበሩ ሓለፍቲ ግና ናብ ፍርዲ ከምዘቕርቦም ተሓንዩ፡፡ ዩኤስኤ ጂምናስቲክስ ብወገኑ ሓላፍነቱ ብዘይምፍጻሙ ኣብ ልዕሊ እተን ግዳያት ብዝበጸሐ ስነ ኣእምሮኣዊ ጉድኣት ከምዝሓዘነ ገሊጹ ኣሎ፡፡ ኣብ 2018 ሚሺጋን ስቴት ዩኒቨርሲቲ ንግዳያት ጾታዊ ጥቕዓት ናሳር 500 ሚልዮን ዶላር ንምኽፋል ዝተሰማመዐ ኮይኑ ብሓፈሻ ነተን ግዳያት ዝኽፈል ካሕሳ 880 ሚልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይ 108 ጥርዓናት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ሆስፒታል ቀሪቡ' ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኮሰመኢ) ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ 108 ጥርዓናት ጾታዊ ዓመጽ ናብ መደበር ጥዕና ከምዝቐረበ ገሊጹ። እቲ ኮምሽን ኣብ መቐለ ካብ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካብ ቢሮ ጥዕና ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ንዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሆስፒታል መቐለ 52፡ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር 27፡ ኣብ ሆስፒታል ዓዲግራት 22 ከምኡ'ውን ኣብ ሆስፒታል ውቅሮ 7 ብሓፈሻ 108 ጸታዊ ዓመጻት ዝተፈጸመን ደቂ ኣንስትዩ ሕክምናዊ ሓገዛት ክረኽባ ናብቲ መደበራት ጥዕና ከምዝመጽኣ ሓቢሩ። እቲ ኮምሽን ኣብ መግለጺኡ "እተን ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ናብ መደብር ፖሊስን መደብር ጥዕናን ከይደን ጥርዓነን ከስምዓሉ ዝኽእላ ቦታታት ኣብ ገለ ቦታታት ስለዝዓነወ፡ እቲ ትኽክለኛ ብዝሒ ጾታዊ ዓመጽ ካብዚ ተገሊጹ ዘሎ ክዛይድ ከምዝኽእል ይግመት"ኢሉ። ኣብታ ክልል ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ ብምህላው ጸታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዩ ሕክምናዊ ረድኤት ኣብ ግዚኡ ንኸይረኽባ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ እቲ ኮምሽን ገሊጹ። እቲ ኮምሽን ብሰንኪ እቲ ኵናት ስነ ኣእምሮኣዊ ነውጺ ዘጋጠሞም ህጻናት ከምዝረኸበ'ውን ገሊጹ። ኣብ ሆስፒታል ዓይድር ደቂሶም ሕክምናዊ ናብዮት ካብ ዝረኽቡ ዝነበሩ 20 ልዑል ስነኣእምሮኣዊ ነውጽን ስንባደን ካብ ዝነበሮም ህጻናት ተሓከምቲ እቶም 16 ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ከምዚ ዓይነት ሕማም ዝተቓልዑ ምኳኖም ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ። ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ናብዩት ካብ ዝግበረሎም ዘሎ ህጻናት ኢዶም ዝተቆረጹ፡ ዓይኖም ዝዓወሩን ኣብ ከብዶምን ኣብ ርእሶምን ዝተሃረሙ ከምዝርከብዎም እቲ ኮምሽን ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ብምጥቃስ "ምስቲ ኵናት ተታሓሒዙ ኣብታ ክልል ዝርከባ መደበራት ጥዕና ኣገልግሎት ደው ስለዘበላን ናብ መቀን ናብ ካልእን ሕጽረት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስለዘሎ እቲ ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት ሰኣን ሕክምናዊ ሓገዛት ይሞቱን ከቢድ ስንክልና የጋጥሞም ኣሎ" ኢሉ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብ ሆስፒታል ዓይደር ብዝረኸቦ ሓበሬታ እቶም ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘጋጥሙ ዘለዉ ሓደጋታት ብሰንኪ ኣብ መሬት ብዝተቐበሩን ዝተደርበዩ ተፈንጀርትን ዝሰዓበ ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ዘተፈላላየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናት ኣዘራሪበ'የ ዝብል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ስድረኦም ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፈልጡን ብተባራሪ ጥይት ዝተሃረሙ ከምዝረኸበ ጠቂሱ። ብተባራሪ ጥይት ካብ ዘተሃረሙ ህጻናት ኣብቲ ሆስፒታል ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ክፍሊ መእለዩ ጽኑዕ ሕሙማት ክንክን ተገይርሉ ዝሞተ ወዲ ዓርባዕተ ዓመት ህጻን ከምዝርከቦም'ውን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። "ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት፡ መንግስቲ ፍሉይ ኣተኩሮ ሂቡ ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ተሓተትቲ ክኾኑ: እቶም ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት ኸኣ እኹል ሓገዛት ክግበረሎም የድሊ" ድማ ኢሉ። ናይቲ ክልል መደበኛ ኣባላት ፖሊስ ምሉእ ንምሉእ ናብ ስራሕ ስለዘይተመለሱ፡ ኣብቲ ክልል ስርቅን ጾታዊ መጥቃዕትን ከምኡ'ውን ዝተፈላለየ ገበናት ብብዝሒ ከምዝወሰኸ መግለጺ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ይጠቅስ። እቲ ኮምሽን ብምስዓብ "ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ምስቲ እቲ ክልል ዝጠልቦ ብዝሒ ብምንጽጻር ኣዝዩ ውሑድ ስለዝኾነ ኣብቲ ክልል ውሕስነት ጸጥታ ክረጋገጽ ፈታኒ ኮይኑ ኣሎ" ይብል። ኣብ ዝተወሰነ ክፋል እታ ክልል ገና ውግእ ይካየድ ብምህላው'ውን ንመዓልታዊ ምንቅስቓስ ሰባት ደሪቱ: መሰረታዊ ቀረባት ክንድቲ ዝድለ ከይቀርብ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብቲ ክልል ዝነበረ ምምሕዳራዊ ትካላት ስለዝፈረሰ ኣብ 10 ኣብያተ ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት ብምሉኦም ከምዝወጽኡን ሰነዳት እሱራት ዝሓዘ መዛግብቲ ከምዝተቃጸለን ንግዝያሚ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምጥቃስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ብፍላይ ከቢድ ገበን ዝነበሮም እሱራት ሃዲንካ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታዎም ዝግበር ስራሕ በዳሂ ኮይኑ ከምዘሎ ጠቒሱ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መደበራት ጥዕና ዕንወት ከምዘጋጠመ'ውን ገሊጹ። ዝበዝሓ ኣምቡላንሳት ኣብ ትሕቲ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ከምዘየለዋን፡ ኣምቡላንስ ብዘይምህላወን ሕጹጽ ሓገዛት ስለዘይወሃብ ሰብ ይመውት ከምዘሎ ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ኣሎ። "ኣብቲ ክልል ነቲ ዝነበረ ስርዓተ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣሸጋሪ ካብ ዝገብሮ ነገር: ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ዞባታት ትግራይ ዝርከቡ መደበራት ጥዕና ኣብ ትሕቲ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ስለዘየለን ደሞዝ ሰራሕተኛታትን መድሃኒትን ከምኡ'ውን ዓቕሚ ሰብ ኣብ ዝግበኦ ቦታ ኣብ ግዚኡ ክብጽሕ ስለዘይክኣለ እዩ" ይብል እቲ መግለጺ። ኣብ መቐለን ኣብ ዓዲ ጉዶምን ዝርከባ መደበራት ጥዕና ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ዝርከባ ኮይነን፡ ኣብ ዓድዋ፡ ኣኽሱምን ሽረን ዝርከባ መደበራት ጥዕናታት ግን ዕንወት ኣጋጢምወን ከምዘሎ እቲ መግልጺ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ካበዚ ብተወሳኺ ኣቶም ኣብ መደበራት ጥዕና ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ገሊኦም ስለዝተፈናቐሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ደሞዞም ወይ ገንዘቦም ካብ ባንኪ ከውጽኡ ስለዘይከኣሉ፡ መሰረታዊ ጠለባቶም ከማልኡ ከምዘይክኣሉ ኣነጺሩ። ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ኣብ ሸመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፋሕ ከምዝበሉን ክልቲኤን መዓስከራት ከምዝዓነዋን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ቅድሚ እቲ ኵናት ምጅማሩ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸመልባ ኣስታት 8500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩን ድሕሪ እቲ ኵናት ግን ብግምት ኣስታት 5000 ናብ ሸራሮን ሽረን ከምዝተበተኑን እቶም ዝተረፉ 3500 ግን ብፍቃዶምን ብዘይፍቃዶምን ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከምዝተወሰዱን እቲ ኮምሽን ጠቒሱ ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ'ውን ብግምት ኣስታ 13000 ስደተኛታት ከምዝነበሩ ዝገልጽ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ካብዚኦም እቶም 8000 ናብ ከተማታት ሽረን ሸራሮን ፍሕ ኢሎም ኢሉ። "ዝበዝሑ እቶም ስደተኛታት መጽለልን መሰረታዊ ነገራትን ኣብ ዘይረኽበሉ ኩነታት ከምዝርከቡ ሓበሬታ ኣለና" ክብል ኣፍሊጡ'ሎ። ኮኣብ ሸሞንተ ተፈናቐልቲ የዕቊቦምሉ ዘለዉ ኣብያተ ትምህርቲ ብኣካል ድሕሪ ምዕዛብ "እቲ ዝቐርብ ዘሎ መሰረታዊ ነገራት ኣዝዩ ውሑድ እዩ" ኢሉ። ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ጾታዊ መዓርነት ዝመጽአ ለውጢ ንድሕሪት ከይመልሶ ተሰጊኡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ን25 ዓመታት ዝተራእየ ምዕባለ ጾታዊ ማዕርነት ንድሕሪት ክጎቶ ከም ዝኽእል ሓድሽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ። ኣብዚ እዋን፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ደቂ ኣንስትዮ ዚያዳ ናይ ገዛ ስራሕትን ሓላፍነት ናብዮት ስድራን ይስከማ ኣለዋ'ውን ኢሉ። "እዚ ኹሉ ዝሰራሕናሉ . . . . 25 ዓመታት ዝወሰደ ጻዕሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ክጠፍእ ይኽእል'ዩ" ትብል ምኽትል ፈጻሚት ስራሕ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ትካል ኣኒታ ባሺያ። ዕድላት ስራሕን ትምህርትን ክጠፍኡ ይኽእሉ፤ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጸገማት ኣካላዊ ጥዕና ከጋጥመንን ድኹም ስነ ልቦናዊ ጥዕና ከጥቅዐን ከም ዝኽእል ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ ደቂ ኣንስትዮ ሕጂ ገጢምወን ዘሎ ሸኽሚ ድማ፡ "ኣብቲ ኣብ 1950ታት ዝነበረ ግጉይ ኣረኣእያ ጾታ ክመልሰና ተኽእሎ ኣለዎ" ኢላ ባቲሻ። ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እንተኾነ'ውን ኣብ ዓለም፡ ኣስታት 75 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን መዓልታዊ ካብ ዝስርሑ ስራሕቲ 16 ቢልዮን ሰዓታት ከይተኸፈለን ከም ዝሰርሓ ተጸኒዑ እዩ። ብኻልእ ወገን፡ ቅድሚ እዚ ለበዳ ንነፍሲ ወከፍ ዘይተኸፈሎ ብወዲ ተባዕታይ ዝስራሕ ስራሕ እቲ ሰለስተ ሰዓት ብደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝስራሕ ነይሩ። ሕጂ እዚ ወሲኹ ኣሎ። ባቲሻ'ውን፡ "እዚ ቑጽሪ ብኽልተ ዕጽፊ ወሲኹ ከም ዝኸውን ይኣምን" ኢላ። እዚ ዳህሳስ፡ ኣብ 38 ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት'ውን ተመሳሳሊ ምስሊ ከም ዘሎ እቲ ትካል ይሕብር። "እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስበኒ ከኣ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስራሕ ይምለሳ ዘይምህላወን እዩ" ክትብል እታ ምኽትል ፈጻሚት ስራሕ ስግኣታ ገሊጻ። "ኣብ ወርሒ መስከረም ጥራሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 865 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ናይ ጉልበት ስራሕ ቦኵረን። ቑጽሪ ደቂ ተባዕትዮ ድማ 200 ሽሕ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ናይ ገዛ ስራሕ ሓላፍነት ምህላዩ'ዩ"። ኦክስፋም፡ ፆታዊ ምዝመዛ ፈጺሞም ንዝበሎም ክልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣጊዱ ትካል ገባሪ ሰናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኦክስፋም፡ ምስቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ተፈፂሙ ዝተብሃለ ክሲ ፆታዊ ምዝመዛን ጥቕዓትን፡ ንኽልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብ ስረሖም ከምዝኣገዶም ኣፍሊጡ። እዚ ምእጋድ ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ዝቐረቡ ክስታት ንምምርማር ዝተበገሰ “ደጋዊ ምርመራ” መቐፀልታ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሩ። ሰራሕተኛታት ረድኤት ትካል ገባሪ ሰናይ ኦክስፋም ኣብ 2018፡ ኣብ ሄይቲ ኣብ ፆታዊ ብዕልግና ምስታፎም ይዝከር። ነቲ ኣብ ሄይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት ስዒቡ ገለ ኣባላት እቲ ትካል ፋይቶት ምጥቃሞም፡ ኦክስፋም ብዕልግና ሰራሕተኛታቱ ሓቢኡ ብዝብል፡ ተኸሲሱ ኔሩ። ኦክስፋም ግና ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ከምዘይወዓሎ ብምግላፅ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ እቲ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዘርኣዮም ጌጋታት፣ ምስ ዘይሻራዊ ኮምሽን ምጥያሽ ኮነ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ሓገዝ ካብ ምስላዕ ክቑጠብ ምጥላቡን ይቕረታ ሓቲትሉ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዘ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል መንግስታዊ ሓገዝ ክሓትት ከምዝተፈቐደሉ፡ ፀብፃብ ጋዜጣ ታይምስ ይሕብር። ከም ፀብፃብ እቲ ጋዜጣ ብ 20 ሓደሽትን ነባራትን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝተፈረመ 10 ገፅ ደብዳበ ናብ ኣመራርሓ እቲ ትካል ተላኢኹ እዩ። ኣብ ፆታዊ ብዕልግና፣ ጥቕዓት፣ ጉሕለትን ኣድልዎን ዝተሳተፉ 11 ሰባት ክሲ ዘቃልዕ እቲ ደብዳበ፡ ነዚ ዘቃልዑ ድማ “ብህይወቶም ምፍርራሕ ይበፅሖም ኔሩ” ኢሉ። ኦክስፋም፡ እቲ ገባሪ ሰናይ ኣብ መፈለምታ ምርመራ እዞም ሓደሽቲ ክስታት ከምዝተሓበረን ምዕባለታቱ ይከታተሎ ከምዘሎን፡ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ። “ንውፃእ መዓት ምሕጋዝን ብውሑስ መገዲ ክዛረቡን ኣብ ምግባር ሓዊሱ፡ ግቡእና ክንፍፅም ከምዘለና ኣፀቢቕና ንፈልጥ ኢና። እቲ ምርመራ ብፍትሓዊ፣ ውሑስን ውፅኢታውን መገዲ ንምዝዛም ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኣለና ኢና” ኢሉ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል። ኦክስፋም፡ ካብ 1961 ጀሚሩ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ንልዕሊ 700 ሽሕ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ፅርየትን፣ ህፁፅ ረድኤት ምግቢን ኣብ ምቕራብን ንስደተኛታት ኣብ ምትእንጋድን ክሰርሕ ከምዝመፅአ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘውፅኦ ሓበሬታ ይገልፅ። 160 ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ዝፈጸመ ኢጣልያዊ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ተታሒዙ ኣብ ጀርመን ክድለ ዝጸንሐ 160 ጾታዊ ግህሰትን ዓመጽን ዝፈጸመ ወዲ 52 ዓመት ኢጣልያዊ ኣብ ዶብ ጀርመንን ፈረንሳን ተታሒዙ። ሓይሊ ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ ክድለ ዝጸንሐ ጥርጡር ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሩመርሸይም ዝተባህለ ቦታ ሒዞምዎ። እቲ ፈጻሚ ዓመጽ ካብ 2000-2014 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ንመብዛሕተን ትሕተ ዕድመ ቖልዑ ደቂ መጻምድቱ ብዝፈጸሞ ግህሰት እዩ ክደለ ጸኒሑ። ኣብ ጀርመን ጥራይ 122 ጉዳያት ግህሰት ይረአ ከምዘሎ ከኣ ሰበስልጣን ጀርመን ሓቢሮም። እቲ ጥርጡር ንውላዱ (ደቀንስትዮ ደቁ) ከይተረፈ ንዓመታት ከምዝተጋሰሰ እቲ ዝቐረበ ክሲ የረድእ። ሰበስልጣን ጀርመን እቲ ጥርጡር ብ07 ጥቅምቲ ናብ ፈረንሳ ከምዝሰገረ ንዝምልከቶም መሳርሕቶም ሰበስልጣን ፈረንሳ ሓቢሮም ጸኒሖም። ኣበይ ከምዘሎ ምስተረጋገጸ ከኣ ብ16 ጥቅምቲ ኣብ ኮልማር ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ኣትዩ ይርከብ። እቲ ገበን ናብ ዝፈጸመሉ ሃገር ናይ ምስግጋር መስርሕ ከኣ ጸኒሑ ክፍጸም እዩ። ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ዝበጸሐ ካብ ናይ ባንኪ ሕሳብ ዝፍጸም ስርቂ ኣቶ እንዳለ ገብረመድህን፡ ካብ ኣገልግሎት ቁጠባ እቲ ዝሰርሑሉ ቤት ጽሕፈት ብልቓሕ ዝረኸብዎ 200 ሽሕ ቅርሺ፡ ንናይ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ (ኮንደሚንየም) ቅድመ ክፍሊት ከውዕልዎ ይጽበዩ ነይሮም፡፡ ኰይኑ ግና እቲ ማንም ኣይትንክፎን ኢሎም ኣብ ባንኪ ዘቐመጥዎ ን200,000፡ ሓሙሽተ ሽሕ ጥራሕ ዝጎደሎ ገንዘቦም፡ ብዘይሓሰብዎ መንገዲ ናይ ባንኪ ሕሳቦም ብጓሓሉ ተጠሊፉን ገንዘቦም ተዘሚቱን ኣብ ከቢድ ጸገም ከም ዝወደቑ ይዛረቡ፡፡ ሓደ መዓልቲ ‘‘ካብ ባንኪ ኢና እንድውል ዘለና’’ ዝበሉ ሰባት፡ ኣብቲ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ናይ ‘‘ይቖጥቡ ይሸለሙ’’ መደብ፡ ሞተር ሳይክል ከም ዝበጸሖም ይነግሩዎም፡፡ ቀጺሎም ሞተር ሳይክል ዘይኮነስ ዋጋ ሽልማት ብጥረ ገንዘብ ከም ዝህብዎም ብምሕባር፡ ነቲ ገንዘብ ናብ ሕሳብ ቁጽሮም ንምእታው ዝተፈላለየ ሓበሬታታት ሓቲቶምዎም፡፡ ኣቶ እንዳለ ኩሉ መረዳእታኦም ምስ ሃቡ፡ ኣብ ባንኪ ኣቢሲንያን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ዝነበረ 195 ሽሕ ገንዘቦም ተዘሚቶም፡፡ እዚ ናይ ብዙሓት ሰባት ታሪኽ እዩ፡፡ እቲ ስርቂ ብፍላይ ኣብ ተጠቀምቲ ሞባይል ባንኪን ዘነጻጸረ ኮይኑ፡ ብዙሓት ብዛዕባ ዝበጸሖም ምትላል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እንትገልጹ ተሰሚዖም እዮም፡፡ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣብ ዘካየዶ ምርመራን መጽናዕትን እውን ኣብ ባንክታት ዝፍጸም ስርቂ ምብዝሑ ኣረጋጊጹ ኣሎ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብሞባይል ባንኪን ሓዊሱ ዝተፈጸሙን ኣብ መዝገብ ዝሰፈሩን ገበናት፡ ኣስታት 1.9 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከም ዝበጽሑ መጽናዕቲ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል የረድእ፡፡ ኣብቲ ዝርዝር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ክሳራ ከም ዘጋጠሞ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ባንክታት ኣቢሲንያን ኦሮምያን ድማ ስዒቦም ተሰሪዖም ኣለው። እቲ ስርቂ ዝፍጸመሎም መገድታት ብቼክ፣ ባንኪ ሕሳብ፣ ሓዋላን ናይ መሕለፊ ቃል (ፓስዎርድ) ስርቅን ከም ዝኾኑ እውን ተገሊጹ፡፡ ኣብቲ ኣብ ሞባይል ባንኪን ዝፍጸም ስርቂ፡ ኣካየድቲ ስራሕ ጨንፈር ባንክታትን ካልኦት ናይ ባንኪ ሰራሕተኛታትን ሓዊሱ ከም ዝሳተፉ ይግለጽ፡፡ እቶም ሰራሕተኛታት ምስ ናይ ዓማዊል ኣካውንት ናይ ባዕሎም ወይ ኣዝማዶም ቁጽሪ ብምትሕሓዝን ናይ ሓሶት ፎርም ብምትሕሓዝን ነቲ ስርቂ ከም ዝፍጽሙ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር፡፡ ንኣብነት፡ ፒኮክ ኣብ ዝበሃል ጨንፈር ንግዲ ኢትዮጵያ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ንነዊሕ እዋን ዘይተንቀሳቐሰ ናይ ሓደ ዓሚል ገንዘብ ሰሪቑ፡፡ እቶም በዓል ሕሳብ ካብ ዘእተውዎ ናይ ሞባይል ባንኪን ካልእ ቁጽሪ ብምምዝጋብ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ብር ካብ ሒሳብ ገንዘብ እቶም ውልቀ ሰብ ከም ዝጓሓለ እቲ መጽናዕቲ የረድእ፡፡ ብተወሳኺ ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ጉሕለት ሓለፍቲ ባንክታት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ተራ ሰራሕተኛታት እውን ኣይሳተፉን ምባል ከም ዘይከኣል ይጠቅስ፡፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ናይ ባንኪ ሰራሕተኛ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ ብዙሓት ናይ ባንኪ ሰራሕተኛታት ይእሰሩ እዮም ዘለዉ፡፡ እንተኾነ ኩሎም ኣብ ባንኪ ዘለዉ ገበነኛታት ይተሓዙ እዮም ምባል ከም ዝኸብድ ይገልጽ፡፡ ኣብ መንጎ ባንክታት ናይ ቅልጣፈ ውድድር ብምህላዉ፡ ሰራሕተኛታት ንኣሰራርሓ ባንኪ ከም ዝጥሕሱ ዝገልጽ እዚ ሰራሕተኛ፡ ንኣብነት ዓማዊል ንምሕጓስ ብዘይ ናይ ባንኪ ደብተር ቅርሺ ከም ዝህቡ ይጠቅስ፡፡ በዚ መሰረት ምትላል እንተጋጥም እቲ በዓል ሞያ ክትሓዝን ኣሰራርሓ ብምጥሓስ ገበነኛ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይገልጽ፡፡ እዚ ከቢድ ናይ ገንዘብ ምትላል፡ ብቼክ ዝፍጸም ገበን ምትላል እውን ዝሓውስ እዩ፡፡ ‘‘ባንኪታት ዓበይቲ ዓማዊል ንምሓዝ ከቢድ ንሕንሕ እዮም ዝገብሩ’’ ዝብል ካልእ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ባንኪ፡ ብቼክ ንምኽፋል ዘድሊ ቅደም ሰዓብ ክተማልእ እንድሕር ደሊኻ ሙሉእ መዓልቲ ክወስድ ከም ዝኽእል ብምሕባር ‘‘እዚ ድማ ንዓማዊል ዘርሕቕ እዩ’’ ይብል፡፡ ነዚ ክበሃል ናብቲ ቼክ ዝፈረመ ሰብ እንተይ ደወሉን ኣብ ሓላፊኦም ከየፈረሙን ክፍሊት ዝፍጽሙ ከም ዘለዉን ንሓደጋ ከም ዝቃልዑን እውን ይገልጽ፡፡ እቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ብሞባይል ባንኪን ዝግበር ስርቂ እውን ብጉድለት ኣሰራርሓ ባንኪታት ዝተሓገዘ ምዃኑ ይሕብር፡፡ ‘‘ስማርት ስልኪ ዘይብሎም፡ ይትረፍ ስልኮም ኣንቢቦም ነቲ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ብናይ ኣጻብዕቶም ዓሸራ ዝፍርሙ ሰባት ሞባይል ባንኪንግ ክጥቀሙን ክምዝገቡን ምግባር ንዝለዓለ ዝምታ እዩ ዘቃልዕ’’ ይብል፡፡ ብተወሳኺ ገንዘብ ዘለዎን ዘይብሉን፡ ሞባይል ባንኪን ዝጥቀምን ዘይጥቀምን ፈልዮም፡ ሓበሬታ ንሳልሳይ ኣካል ዝህቡ ሰራሕተኛታት ባንኪ እዮም ይብል፡፡ ኣብዚ እዋን ካብ ባንኪ ሕሳብ ናብ 'ቴሌ ብር' ምልኣኽ ዝከኣል ብምዃኑ፡ ንምስራቕ ቀሊል ከም ዝገበሮ እቲ ውልቀ ሰብ ይገልጽ፡፡ በዚ ድማ ኣብ ቀበሌ ናይ ሓሶት መለለዪ መንነት ካብ ዝህቡ ሰባት ጀሚሩ፡ ክሳብ ናይ ባንኪ ሓለፍቲ ተሳተፍቲ ምዃኖም ኣይተረፈን፡፡ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ምስ መሻርኽቱ ኰይኑ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ባንኪታት ዘለዎም ሓላፍነት ብግልጺ እዩ ዘርእይ፡፡ ‘‘እዞም ኣብ ባንክታት ዝፍጸሙ ገበናት ዘመሳስሎም፡ ዝበዝሑ ምስ ናይ ባንኪ ኣሰራርሓ ርክብ ዘለዎም፡ ናይ ውሽጢ ሰራሕተኛታት ከይተሳፉሎም ዘይፍጸሙ እዮም፡፡ ዝዀነ ገበን ቅድሚ ምፍጻሙ ኣብ ኣካውንቱ ገንዘብ ዘለዎን ዘይብሉን ምፍላይ የድሊ’’ ብምባል ባንኪታት ዘለወን ተሳትፎ የመላኽት፡፡ ዕምቆት ናይቶም ሓበሬታት ብዘይ ምትሕብባር ሰራሕተኛታት ባንኪ ኣብ ኢድ ጓሓሉ ክኣቱ ከም ዘይክእል እቲ መጽናዕቲ የረድእ፡፡ ባንኪታት ሓበሬታ ዓማዊሎም ናይ ምሕላው ግዴታ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ዓብዱልመናን ዝተባህለ በዓል ሞያ ሒሳብ፡ መብዛሕትኦም እሙናት'ኳ አንተኾኑ እምነት ዘጉድሉ የለዉን ማለት ኣይክኣልን ይብል። ነዚ ድማ ባንኪታት ዘለዎም ናይ ኣሰራርሓ ጉድለትን ንጉሕለት ዘቃልዑ ክፍተታትን ክዓብሱ ይመክር፡፡ ብተወሳኺ መንግስቲ ሕግታቱ ብምምሕያሽ ኣብ ባንኪ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ሓላፍነቶም ብዘይኣገባቡ ከይጥቀሙ ክገብር ኣለዎ ኢሉ፡፡ እንተኾነ እዞም ጸገማት ክሳብ ዝፍትሑ፡ ገንዘቦም ዝተዘምቱ ኢትጵያውያን ናብ መደብር ፖሊስ ካብ ምምልላስ ወጻኢ ገንዘቦም ኣይረኸቡን፡፡ ንኣብነት ኣቶ አንዳለ፡ ፖሊስ ዝሓተቶም ኩሎም መረዳእታታት እኳ እንተቕረቡ ዛጊድ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ጥርጡር የለን፡፡ ሕዚ እውን ብልቓሕ ዝረኸብዎን ሽሻይ ጎሓሉ ዝዀነን ገንዘቦም ዘምልሰሎም ፍትሒ ይጽበዩ ኣለዉ፡፡ ኢትዮጵያ፡ ምቕያር ባጤራ ዘኸተሎ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ወርቂ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ መደብራት መሸጣ ወርቂ ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋ ከምዝተረኣየ ነጋዶን ዓደግትን ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ቢቢሲ ኣብ ማእኸል ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከቡ መደብራት ብምንቅስቓስ ከምዝተዓዘቦ፤ ኣብ መዕደግን መሸጥን ዋጋ ወርቂ ወሰኽ ተራእዩ'ሎ። ብፍላይ ኢትዮጵያ ነቲ ሓድሽ ባጤራ ወግዓዊ ካብ ዝገበረትሉ መዓልታት ጀሚሩ እቲ ዋጋ ወሰኽ ከምዘርኣየ ኣብ ንግዲ ወርቂ ካብ ዝተዋፈሩን ነጋዶን ሰራሕተኛታትን ክነረጋግጽ ክኢልና። ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ 17 መስከረም 2013 [ኣ.ኢ] ዘቐመጦ መዕደጊ ዋጋ በዓል 21 ካራት ወርቂ ንግራም 2012 ብርን 64 ሳንቲምን እዩ። በዓል 24 ካራት ድማ 2300 ብርን 16 ሳንቲምን ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብርግጽ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዋጋ ወርቂ ወሰኽ ክረኣዮ ከምዝጸንሐ ቢቢሲ ካብ ዘዘራረቦም ወነንቲን ሰራሕተኛታትን መደብራት ወርቂ ይገልጹ። እቲ ሓድሽ ባጤራ ወግዓዊ ካብ ዝተገበረሉ ግዜ ጀሚሩ ግን ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋ ከምዝተረኣየ ኣብ ንግዲ ወርቂ ዝተዋፈሩ ነጋዶ ይዛረቡ። "ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጥራይ ኣብ ግራም ክሳብ 500 ብር ወሰኽ ተራእዩ'ሎ" ትብል ኣብ ሓደ መደብር ወርቂ እትሰርሕ ቢቢሲ ዘዘራረባ ውልቀሰብ። ካብ ሰባት ዝዕድጎም ቀለበት፣ ሃብል፣ ናይ እዝኒን ካልእን ገይጽታት ቁሩብ ኣትሪፉ ብምሻጥ ዝመሓደር ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ መንእሰይ ድማ እቲ ወሰኽ ኣብ መሸጢ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መዕደጊ'ውን ከምዝተርኣየ ሓቢሩና። "ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንበዓል 21 ካራት ሓደ ግራም 1000 ብር፤ እንተወሲኹ ድማ ክሳብ 1500 ብር ካብ ሰባት እገዝእ ነይረ" ዝብል እቲ መንእሰይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ግን ወሰኽ ከምዘጋጠመ ገሊጹ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሓደ ግራም ወርቂ ብ 2150 ብር ሒሳብ ዓዲገ ይብል። ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ኩነታት ወርቂ ዝዕድጉ ሰባት ቁጽሮም እናወሰኸ ብምምጽኡ ወሰኽ ዋጋ ከምዝተርኣየ ዝዛረብ እቲ መንእሰይ፤ ምስ ምምጻእ ሓድሽ ባጤራ ብዝተሓሓዝ ነቲ ኣብ ኢዶም ዝጸንሐ ጥረ ገንዘብ ብንብረት ክቕይሩ ዝደልዩ ሰባት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ግምቱ የቐምጥ። "እቲ ባጤራ ብሃንደበት ዝመጸአ ብምዃኑ ናይ ደንገርገርን ምጥርጣርን ስምዒታት ኣኸቲሉ እዩ" ይብል ድማ ተንታኒ ስነ-ቁጠባ ዓብዱልመናን መሓመድ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ እቶም ኣብ ኢዶም ጥረ ገንዘብ ሒዞም ዝጸንሑ ውልቀሰባት ነቲ ገንዘቦም ውሕስንኦም ብዝተረጋገጸ ዓይነታት ንብረት ክቕይሩ ብምድላዮም ኣብ ዕዳጋ ወርቂ ወሰኽ ንዝተረኣየሉ ኩነታት ከም ኣብነት ይገልጽ። "እዚ ከም ሓደ ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ንብረታት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል እቲ ተንታኒ። ጥረ ገንዘብ ኣብ ከም መኪናን ገዛን ዝመሳሰሉ ቀወምቲ ንብረታት ከምኡ'ውን ወርቅን ካልእን ምውዓል ከም ኣማራጺ ስለዝውሰድ ተጠላብነቶም ክውስኽ ትጽቢት ዝግበር ምዃኑ ይዛረብ ዓብዱልመናን። ንሱ ከምዝብሎ ወርቂ ነቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኸበ ጥረ ገንዘብ ንምኽዋል ዘኽእል ቀሊል መገዲ እዩ። "ስለዚ ኣብ ዋጋ ወርቂ ወሰኽ ክረኣይ ዝኸኣለ ብምኽንያት ለውጢ ሓድሽ ባጤራ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን" ክብል ድማ እምነቱ ይገልጽ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ማያ ኣንጀሎ ኣብ ሳንቲም ኣሜሪካ ዝተወቐጠት ፈላሚት ጸላም ጓልኣንስተይቲ ኮይና ቤተ-ግምጃ ኣሜሪካ፡ ስምን ምስልን ገጣሚት ማያ ኣንጀሎ፡ ኣብ 25 ሳንቲም ኣሜሪካ ከምዝውቐጥ ተገይሩ፡ በዚ ድማ ስምይቲ ገጣሚት ማያ ንፈለማ እዋን ኣብ ሳንቲም ኣሜሪካ ስማን ምስላን ዝሰፈረ ፀላም ጓልኣንስተይቲ ኮይና ኣላ። ገጣሚት፣ ፀሓፊትን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰልን ማያ ኣንጀሎ፡ ኣብ ፅምብል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ግጥሚ ዘቕረበት ፈላሚት ፀላም ጓልኣንስተይቲ’ውን እያ። ካብ ማያ ኣንጀሎ ብተወሳኺ፡ ጠፈርተኛ፣ ሓለቓ ቀቢላን ተዋሳእትን ዝኾና ካልኦት ደቂኣንስትዮ’ውን፡ ሕሩያት ናይቲ ኣብዚ ዓመት ዝተጀመረን ‘ንስራሕትን ዓወታትን ኣሜሪካውያን ደቂኣንስትዮ ክብርን ሽልማትን ዝወሃበሉን መደብ (American Women Quarters programme) ኮይነን እየን። እዚ ሓድሽ መደብ ብፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ፀሓፊት ቤተ-ግምጃ ኣሜሪካ ተናኢዱ’ዩ። ፀሓፊት እቲ ቤተ-ግምጃ ጃኔት የለን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ “ብዛዕባ ሃገርና ንምባል ዕድል ኣለና፤ ብዛዕባ ክብሪ እንህቦን ከም ማሕበረሰብ ብኸመይ ከምዝተመሓየሽናን ንምግላፅ ዕድል ኣለና” ኢላ። ደራሲትን ነጣፊትን ኣንጀሎ፡ ኣብ 2014 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን’ያ፡ ኣብ መበል 86 ዓመታ ዓሪፋ። ማያ፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 1969፡ በቲ ‘I Know Why the Caged Bird Sings’ ብዝብል ርእሲ ዘሕተመቶ መፅሓፍ ታሪኽ ሂወታ፡ ልዑል ዝና ተጎናፂፋ እያ። ልዕሊ 30 ኣዝዮም ዝተሸጡ መፅሓፍቲ ናብ ኣንበብቲ ዘብቀዐት ማያ ኣንጀሎ፡ብደርዘናት ዝቑፀሩ ናይ ክብሪ ዲግሪታት ተቐቢላ’ያ። ኣንጀሎ፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ናይ ሲቪል ሽልማት ኣብ 2010 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ብፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ተሸሊማ’ያ። እዚ ምስሊ ማያ ኣንጀሎ ዝተወቐጦ ሓድሽ ሳንቲም፡ ኣንጀሎ ኣእዳዋ ዘርጊሓ፡ ኣብ ድሕሪኣ ድማ እትበርር ዑፍን ትበርቕ ፀሓይን የርእይ። ቤተ-ግምጃ ኣሜሪካ፡ እዚ ምስሊ “ኣብ ግጥምታትን ተምሳሌት ህይወትን” ማያ ኣንጀሎ ዝተደረኸ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ናይ ቅድሚት ገፅ እቲ ሳንቲም ምስሊ ፈላማይ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆርጅ ዋሽንግተን ዝሓዘ እዩ። እቲ ትካል፡ ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ልዑል ግደ ናይ ዝነበረን ካልኦት ኣሜሪካውያን ደቂኣንስትዮ ምስሊ ዝሓዘ፡ 20 ተወሳኺ ናይ 25 ሳናቲም ምስሊ ወግዓዊ ንምግባር ተሊሙ ኣሎ። ቤተ-ግምጃ ኣሜሪካ፡ ንምስሊ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ሓለቓ ዓሌት ቸሮኪ ንዝነበረትን ፈላሚት ኣሜሪካዊት ጠፈርተኛን ዊልማ ማንኪለር፡ ከምኡ’ውን ምስሊ ተሓላቒት መሰል ደቀ'ባትን ፈላሚት ኮኾብ ሆሊውድን ቻይናዊት ኣሜሪካዊት ኣና መይ ዎንግን፡ ኣብዚ ዓመት ምስለን ኣብ ሳንቲም ከሰፍር እዩ። እቲ ትካል፡ ኣብ ናይ 20 ዳላር ባጤራ ዘሎ ምስሊ ፕረዝደንት ኣንድሪው ጃክሰን’ውን፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ መገዲ ባቡር ናይ ዝነበሩ ጊላታት ሂወት ብዘድሓነትን ተሓላቒት መሰል ፀለምትን ምስሊ ሃሪየት ቱብማን ንምትካእ ተሊሙ ኣሎ። ታሪኽ ዝሰርሓ ደቂኣንስትዮ ኣብ ባጤራ ኣሜሪካ ምስለን ሳሕቲ እዩ ዝረአይ። ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ምስሊ ቀዳማዊት እመቤት ማርታ ዋሽንግተን ናይ ሓደ ዳላር ኣሜሪካ ብሩር ሰርተፊኬት ሰፊሩ ኔሩ። ምስሊ ኣሜሪካዊት ጅግና ፖካሆንታስ’ውን፡ ኣብ ናይ 20 ዳላር ባጣራ ኣብ ናይ ጉጅለ ምስሊ ተኻቲቱ ኔሩ። ኣሜሪካዊት ዳህሳሲት ሳካጃወያ ኣብ ናይ ወርቂ ሳንቲም፡ ሳፍርጀስት ሱዛን ቢ ኣንቶኒን ምስማዕን ምርኣይን ዝተስኣና ሄለን ኬለርን ድማ ኣብ ናይ ብሩር ሳንቲም ምስለን ዝሰፈራ ደቂኣንስትዮ እየን። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምንታይ’ዩ ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ ዘጋጥም ዘሎ? ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምንታይ’ዩ ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ ዘጋጥም ዘሎ? ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ክቱር ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ነይሩን'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ኣመልኪቱ ነቶም ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ መዓልታዊ ምንቅስቃሳቶምን ንጥፈታቶምን ዝተጸለወ ዜጋታት እቲ ተጓንፎ 'ከቆጥዕ' ንቡር ምዃኑ ገሊጹ። ካብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ጀሚሮም ግን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ነዳዲ ከቕርቡ ከም ዝጅምሩ ብምሕባር፡ ሰብ ክሻቐል ከም ዘይብሉ ተስፋታት ሂቡ ኣሎ። ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ምዕጻው ነቁጣታት መዐደሊ ነዳድን ኣብኡ ዝግበር ዘነበረ ነዋሕቲ መስርዕን 'ምምሕያሻት' የርኢ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ሰብ ብዘይስክፍታ ስርሑ ከካይድ'ውን ጸዊዑ። ነዳዲ ዝጽዓና 150 ወተሃደራውያን መካይድ ነዳዲ ክዕድላ ድልዋት ከም ዘለዋ ዝሓበረ ቦሪስ ጆንሰን፡ ኩሉ ናብ ንቡር ይምለስ ስለ ዘሎ ኣብ ምዕዳል ነዳዲ 'ቀዳምነታት' ምስራዕ ከም ዘየድሊ ሓቢሩ። ሰልፊ ዕዮ መንግስቲ ነታ ሃገር ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝብኣሰ ቅልውላው የእትዋ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ሓላፊ እቲ ሰልፊ ሰር ኬር ሴታርመር ነዚ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣገዳሲ መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መጻረዪ ነዳዲ እኹል ነዳዲ እኳ እንተነበረ፡ ሕጽረት መራሕቲ ነዳዲ ዝጽዕና መካይን ከም ዝነበረ'ዩ ተገሊጹ። ካብ መንግስቲ ዝተረኸቡ ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብዚ እዋን 16 ሚኢታዊት ካብተን ነዳዲ ዝዕድላ ነቑጣታት መኽዘነን ብነዳዲ መሊኡ ከም ዘሎን፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኸፈአን ዝተሓተን 10 ሚኢታዊት ጥራይ ምልኣት ዝነበረ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ከነታት ከም ዘሎ ተሓቢሩ። እንተኾነ ቀረብ ናይ ህዝቢ ንኽማላእ ብውሕዱ 40 ሚኢታዊት ካብተን ነዳዲ ዝዕድላ ትካላት ክመልኣ ከም ዘለወን እዩ ዝግለጽ። ማሕበር ኣከፋፈልቲ ነዳዲ ዓዲ እንግሊዝ [Petrol Retailers Association (PRA)] ብወገኑ ኣብ መዐደሊ ነቁጣታት ዝነበረ ጸቅጥን ጽቅጥቅጥን ይንኪ ምህላዉ ሓቢሩ። እቲ ካብ 8000 መዐደሊ ነዳዲታት ነቲ 5500 ነቁጣታት ዝሓቁፍ ማሕበር፡ ካብተን ነቁጣታቱ እተን ኣስታት 37 ሚኢታዊት ኣጋንአን ጥርሑ ከም ዝተረፈ ብምሕባር ፡ እቲ ቁጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ 66 ሚኢታዊት ክብ ኢሉ ምንባሩ ሓቢሩ። 315 መዐደሊ ነዳዲ ዘለዎ ሰይንስባሩ ዝተባህለ ትካል ብወገኑ፡ ኣብ ነቁጣታቱ ሓያል ጠለብ ነዳዲ የጋጥሞ ከም ዘሎ ብምሕባር "ሕጂ ግን ዳርጋ ኩለን ነቁጣታትና ነዳዲ ይውሃብን ኣሎ" ክብል ገሊጹ። ቢቢሲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኩለን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ መካይን እኹል ነዳዲ ንኽረኽብ ብሕጂ ክልተ ሰሙን ክወስድ ከም ዝኽእል ግምቱ ኣቐሚጡ ኣሎ። እቲ ኣብ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታተ ዝጀመረ ዘይምምጥጣን ጠለብን ቀረብን ክሳብ ዝመጽእ ቀዳም ክቅጽል ከምዝኽእል እዩ ግምታት ተዋሂብዎ ዘሎ። ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣከፋፈልቲ ነዳዲ ዓዲ እንግሊዝ ብርያን ማዲሶን ብወገኑ "በዚ ዘሎ ፍጥነት እንተኸይድና፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ጠለብን ቀረብን ዘሎ ዘይምምጥጣን ኣብ ወወዳእታ እዚ ሰሙን ሚዛን ከነትሕዞ ንኽእል ኢና" ይብል። እንተኾነ ታይምስ ምንጭታት ትካላት ነዳዲ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ እቲ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ዘበገሶ ቅልውላው "ንሳምንታት ክቅጽል ይኽእል'ዩ" ኢሉ። ላዕለዋይ ሓላፊ ማሕበር መራሕቲ ታክሲ ስቲቭ ማክናማራ'ውን "ኣብ ባይታ ዋላ ሓንቲ ለውጢ የለን። ካብ 25 ክሳብ 30 ሚኢታዊት ካብ ኣባላት ማሕበርና ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ሰሉስ ስራሕ ክሰርሑ ኣይክኣሉን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ሕጽረት ንምትዕርራይ 100 ሽሕ ነዳዲ ዝጽዓና መካይን ከም ዘድልዮ ብምግላጽ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ኢንዳስትሪታትን ጠለብ ሃለኽቲ ነገራትን ኣሉታዊ ጽልዋታት ተፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ። ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እቲ ኣጋጢምና ዘሎ ሕጽረት መራሕቲ ነዳዲ ዝጽዕና መካይን ዝጋነን ኣይኮነን፤ ብሓፈሻ ግን ብደረጃ ዓለም ሕጽረት መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኣሎ" ኢሉ። ኣብ ገለ ገለ መዐደሊ ነዳዲ፡ መካይኖም ነዳዲ ንኽመልኡ ሪጋ ዝገበሩ ሰባት ክሳብ ኣስታት ኣርባዕተ ኪሎ ሜትር ዝነውሕ ሪጋ ተሰሪዖም ምንባሮም ተሓቢሩ። ኢሎን ማስክ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብ ኮይኑ ኢሎን ማስክ፡ መጠን ሃብቱ 185 ቢልዮን ዶላር ብምብጽሑ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብ ከምዝኾነ ተገሊጹ። ኢሎን ማስክ ስፔስኤክስ (SpaceX) ከምኡ'ውን ተስላ ዝተባህላ ኩባንያታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ትማሊ ሓሙስ ናይቲ ኩባንያ ዋጋ ብርኪ ምስ ወሰኸ'ዩ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ሰብ ቦታ ዝሓዘ። ንሱ፡ ነቲ ካብ 2017 ኣትሒዙ ቀዳማይ ናይ ዓለምና ዝሃብተመ ቢልዮነር ዝነበረ መስራቲ ኩባንያ 'ኣማዞን' ጀፍ ቤዞስ ሒሊፉዎ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብኢሎን ማስክ ዝውነን ናይ ኤለክትሪክ መካይን ዘፍርይ ኩባንያ ተስላ ዋግኡ ብ700 ቢልዮን ዶላር ዓብዩ። በዚ ድማ ዋጋ እቲ ኩባንያ ልዕሊ ቶዮታ፡ ቮልክስዋገን፡ ጂኤም ከምኡ'ውን ፎርድ ሓዊስካ ኮይኑ ኣሎ። ንሱ፡ ነዚ ዜና ምስ ሰመዐ ''ዘገርም'ዩ'' ክበል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ማስክ ሃብቱ ኣበይ ከምዘጥፍኦ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ትዊተር ኣተንቢሁ ነይሩ። ንሱ፡ ''ፍርቂ ዘለኒ ሃብቲ ንጸገማት መሬት ኣብ ምፍታሕ ክውዕል'ዩ፤ እቲ ካልእ ፍርቂ ድማ ኣብ ፕላኔት ማርስ፡ መሬትና ብሜትሮይድ እንተተሃሪማ ንቐጻልነት ደቂ ሰባት እትኸውን ከተማ ምስራሕ'ዩ'' ክብል ጽሒፉ። መጠን ሃብቲ ጀፍ ቤዞስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ተሓጊዙ ኣስታት $130 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ይግመት። እንተኾነ፡ እቲ ወናኒ ናይ ኦንላይን ዕዳጋ ኣማዞን: ምስ ሰበይቱ ምስ ተፋተሓ፡ ካብቲ ዋኒን 4 ሚእታዊት ብርኪ ስለዝወሰደት'ዩ ኢሎን ማስክ ሓሊፍዎ ዘሎ። ኢልሳልቫዶር፡ ቢትኮይን ሕጋዊ መተዓዳደጊ ክኸውን ዝወሰነት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና ሃገረ ኢልሳልቫዶር ንቢትኮይን ዝተብሃለ ዲጂታላዊ ባጤራ ሕጋዊ መተዓዳዳጊ ክኸውን ዝወሰነት ናይ መጀመርታ ሃገር ኮይና። ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ እታ ሃገር ብፕረዚደንት ናይብ ዝመጽአ ሓሳብ ብሰሉስ ድሕሪ ምክታዕ 84 ደገፍ 62 ተቃውሞ ብምስማዕ ቢትኮይን ከም ዝኾነ ዓይነት ባጤራ [ገንዘብ] መተዓዳደጊ ክኸውን ምውሳኖም ተገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ እቲ ውሳነ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ውሳነ ነታ ሃገር ታሪኻዊ ምኳኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተወለድቲ እታ ሃገር ናብ ሃገሮምን ስድርኦምን ሰልዲ ንኽሰዱ ዝቐለለ መንገዲ ተጣጢሕሎም ምህላዉ ገሊጹ። ኣብታ ሃገር ዲጂታላዊ ባጤራ ቢትኮይን ድሕሪ 90 መዓልታት ማዕረ ማዕረ ዶላር ናይታ ሃገር ኣብ ዕደጋ መሸጥን መለወጥን ክኸውን እዩ። ብመሰረት እዚ ሕጂ ኢልሳልቫዶር ኣጽዲቓቶ ዘላ ሕጊ፡ ዝኾነ ብዓል ትካል ክፍሊት ብቢትኮይን ክቕበል ክግደድ እዩ። ፕረዚደንት ናይብ ቡከለ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ድምጾም ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ትዊተር "ቢትኮይን ቁጠባዊ ድንፈዐን ቱሪዝማዊ መስሕብን ከምጽኣልና እዩ" ኢሉ ነይሩ። እቲ ፕረዚደንት ቢትኮይን ከም ሕጋዊ ባጤራ ምጥቃም ነቶም ልዕሊ 70 ሚኢታዊት ሕሳብ ናይ ባንኪ ዘይብሎም ተወለድቲ ኢልሳልቫዶር ዝሓሸ ዕድል ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ቁጠባ ኢልሳልቫዶር 20 ሚኢታዊት ዜጋታት እታ ሃገር ካብ ወጻኢ ካብ ዝሰድዎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እዩ ዝምርኮስ። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተወለድቲ ኢልሳልቫዶር ኣብ ስደት እዩም ዝነብሩ፡ ምስ መበቆል ሃገሮም ዘለዎም ጥምረት ግን ኣዝዩ ተሪር እዩ። ዓመታዊ ኸኣ ልዕሊ 4 ቢልዮን ዶላር ናብ ስድርኦም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምዝልእኹ ሰነዳት እታ ሃገር ይሕብር። ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዘንኳሕኾሐ ናይ ቻይና በርበረ ኣበይ ኣተወ? እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ እዋን ክረምቲ ከቢሩ ዝፀንሐ ዋጋ በርበረ ዝረጋግዐሉ፣ ሓድሽ ፍርያት ዝሕፈሰሉን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ንነዊሕ ግዘ ዘፅንሖም በርበረ ዝዕድግሉን እዋን እዩ። እዚ እዋን ሓረስታይ፣ ሸመትቲ፣ ነጋዶን ደለልትን ብሓባር ዝረባረብሉ እዋን’ዩ። ርእሰከተማ እታ ሃገር ኣዲስ ኣበባ በርበረ ኣፍርያ ንኢትዮጵያ’ኳ እንተዘይመገበት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝፈረየ በርበረ ተኣኪቡ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝከፋፈለላ እያ። ብሚልየናት ዝቑፀር ገንዘብ ዝንቀሳቐሰሉ ተኽለሃይማኖት ተባሂሉ ዝፍለጥ መደብር፡ በርበረ እዩ። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ “ናይ ቻይና በርበረ” ዝብል ዘይተለመደ ምህርቲ ኣብ መከፋፈልቲ ከምዝኣተወን ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ከምዝጠፍአን ነጋዶ ይዛረቡ። ነጋዳይ ብርሌው፡ “እቲ በርበረ ካብ ተኽለሃይማኖት ክነምፅኦ ከለና ዝተዓሸገሉ ትርሽዋ ( ካሻ) ‘ሜድ ኢን ቻይና’ (ኣብ ቻይና ዝተሰርሐ) ይብል። ኣብታ ከተማ መሪ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ በርበረ፡ ኣስታት 30 ዝኾኑ ነጋዶ በርበረ ይርከቡ፤ እንተኾነ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ እዚ መደብ ንምድላው “ናይ ቻይና በርበረ” ተባሂሉ፡ ተደልዩ ምርከብ ኣይተኽኣለን። እቶም ነጋዶ እቲ በርበረ ይሸጡ ከምዝነበሩ’ኳ ክፍለጠሎም ኣይደልዩን፤ ዓማዊሎም ንዘይምስኣን ይብል ብርሌው። ኣብ ከባቢ ተኽለሃይማኖት ዝርከቡ መከፋፈልቲ በርበረ’ውን ናይዚ ምስክር’ዮም። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰለስተ መከፋፈልቲ በርበረ ግና “ሒዝናዮን ርኢናዮን ኣይንፈልጥን” ይብሉ። ይኹን’ምበር ኣብዲ ዝተብሃለ መከፋፈሊ፡ መብዛሕትኦም መከፋፈልቲ በርበረ ይሕዝዎ ከምዝነበሩን ኣብ ወርሒ ሕዳር ፍርያት በርበረ ስለዝበፅሐን እቲ ዋጋ’ውን ስለዝተረጋግዐን ናይ ቻይና በርበረ ካብ ዕዳጋ ከምዝወፅአ ይዛረብ። ሕዚ ዋጋ በርበረ ክሳብ 100 ብር ዝነከየ እንትኾን፡ ናይ ሃረር በርበረ ንኪሎ 220 ብር እናተሸጠ ትሑት ዋጋ ሒዙ ይርከብ። ልዑል ፅርየት ኣለዎ ዝበሃል ናይ ማረቆ በርበረ ድማ፡ ኸቢሩ እንተተብሃለ፡ ንኪሎ 300 ብር ከምዝሽየጥ ኣብዲ ይገልፅ። በርበረ፡ ኣብ ዓለም ካብ ኮሚደረ ቀፂሉ ሰባት ብብዝሒ ዝምገብዎ ተኽሊ ገደና’ዩ። ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ቬትናማውያን ኣብ ዓለም ቀንዲ ተጠቀምቲ በርበረ ወይ ‘ሬድ ፔፐር’ ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ተሰሪዖም እዮም። ህንድን ኣሜሪካን ድማ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ይስርዓ። ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዓለም ኣብ ረብሓ ካብ ዝውዕል በርበረ እቲ 41 ሚእታዊት ንምግብነት የውዕላ። ኢትዮጵያዊያን ኣዝዮም ዝፈትውዎ በርበረ ንምንታይ ይኸብር? ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣርባዕተ ምሁራት ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕቲ፡ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ካብ ዘፍርይዎ በርበረ 92በ ነጥቢ 4 ሚእታዊት ናብ ዓድጋ ከምዘቕርብዎ ገሊፆም ኔሮም። እቲ ብ ኣበበ ቢራ፣ ጥጋቡ ዳኘውን ኣስማማው ኣለሙን ዝተኻየደ መፅናዕቲ፡ ሓረስቶት ልዕሊ 60 ሚእታዊት ምህርቶም ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ናይ ጃምላ ነጋዶ ከምዝሸጡ የርእይ። መበቆሉ ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ከምዝኾነ ዝግለፅ በርበረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኣብ ክልልላት ኦሮምያ፣ ደቡብን ኣምሓራን ይፈርይ። ብመሰረት መፅናዕቲ እቶም ሰብሞያ ሕፅረት ምህርቲ ቀንዲ ፀገም እንትኾን፡ በርበረ ንሕማም ተቓላዓይ ምዃኑን ነቲ በርበረ ካብ ምትካል ክሳብ ምእካብ ዝጠልቦ ልዑል ሓይሊ ሰብን ድማ ተወሰኽቲ ብድሆታት ከምዝኾኑ የመልክት። ካልእ እቲ ቀንዲ ኣብ ዕዳጋ በርበረ ዘሎ ብድሆ፡ ኣብ እዋን ንግዲ ዘለዉ ፀገማት እንትኾኑ፡ እቶም ነዚ መፅናዕቲ ዘዳለዉ ሰባት ዘዘራረብዎም ሓረስቶት፡ ካብ መንግስቲ ሓገዝ ምስኣን ነቲ ናይ ዕዳጋ ፀገም ብዋናነት ዘጋድድ ከምዝኾነ ይገልፁ። እኹል መኻዚኖታት ዘይምህላው፣ ሕፅረት ልቓሕ፣ ኣብ ሞንጎ ዓዳግን ሸያጥን ዘሎ ናይ ሓቃዊ ሓበሬታ ክፍተትን ምስ ፅሬት ዝዛመዱ ፀገማትን ተወሰኽቲ ንዋጋ በርበረ ዝፍትኑ ብድሆታት እዮም። ኣብ ማሕበር ሰብሞያ ቁጠባ ኢትዮጵያ ተመራማርን ኣብ ዘፈር ቁጠባ ኣማኻሪ መንግስትን ኮይኑ ዘገልገለ ሰዒድ ኑሩ (ዶ/ር)፡ ኣብ በርበረን ካልኦት ግዘ ሓልዮም ኣብ ዝፈርዩ ምህርትታትን ንምውሳኽ ዋጋ ዝድርኹ ኣርባዕተ ብድሆታት የቐምጥ። ሰዒድ ኑሩ፡ እቲ ፈላማይ እኹል ፍርያት ዘይምፍራይ እንትኾን፡ እቲ ካልኣይ ከም በርበረ ንዝኣመሰሉ ምህርትታት ዘድሊ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዘፅንሑ ሜላታት ዘይምጥቃም ከም ፀገም የቐምጦም። ከም ኮሚደረ ዝኣመሰሉ ካብ በርበረ ንላዕሊ ኣብ ሓፂር ግዘ ዝበላሸዉ ምህርትታት ካብ ዕዳጋ ንከይጠፍኡ ዝገብር ሜላ ከምዘሎ ዝገልፅ እቲ በዓልሞያ፡ እዚ ኣብ በርበረ ንምትግባር ቀሊል ከምዝኾነ ይሕብር። እቲ ካልእ ፍታሕ ነጋዶ፡ በርበረ ኣብ ዝሓሰረሉ እዋን ክኽዝኑ ምኽኣል’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ነጋዶ ምህርቲ ይኽዝኑ’ዮም ዝብል ብኣሉታ ጥራሕ ክውሰድ የብሉን ይብል እቲ በዓልሞያ። “ኣብ ወፃኢ ሃገር ኢንቨርተሪ ዝበሃል ኢንቨስትመንት ኣሎ። ሓደ ፍርያት ምስ ዝሓስር ነጋዶ ኣኪቦም ዘፅንሕሉን እቲ ፍርያት ገንዘቦም ሒዙ ንዝፀንሐሉ ግዘ ከም ሽልማት ዝተወሰነ ገንዘብ ወሲኾም፣ እቲ ፍርያት ካብ ዕዳጋ ክጠፍእ እንከሎ ናብ ዕዳጋ ዘቕርብሉ ስርዓት ማለት’ዩ። እዚ ሕሱም ግዘ ተፀብዮም ፍርያት ንዝኽዝኑ ኣይሓውስን። ኣብ ሪል ስቴት ወይ መሰል ምህርትታት ከምዝግበር ምውፋር ከም ማለት እዩ” ብምባል ድማ የብርህ። እቲ ካልእ ፀገም ኣብ ከም በርበረ ዝበሉ ፍርያታት ዋጋ ዝውስኽ ቁፅሪ ኢንዱስትሪ ውሑድ ምስ ምዃን ዝዛመድ’ዩ። በርበረ ተመጢኑን ተዳልዩን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ፍርያት ምስ ምዃኑ፡ ዋግኡ ክሓስር ከሎ እንተተዳልዩ፡ እቲ ፍርያት ኣብ ዘይህልወሉ ግዘ ዝተወሰነ ዋጋ ወሲኽካ ምሻጥ ቀንዲ መፍትሒ ክኾን ይኽእል ብምባል እቲ ሳልሳይ ፍታሕ የአንፍት። ሕፅረት ምህርቲ ምስዘጋጥም ካብ ወፃኢ ሃገር ምእታው ፍታሕ ይኾን’ዶ? እኹል ሸርፊ ወፃኢ ንዘለዋ ሃገር፡ ሕፅረት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ካብ ሃገራት ወፃኢ ኣታዊ ምግባር ፍታሕ ከምዝኾነ ዝገልፅ ሰዒድ (ዶ/ር)፡ ንከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ግና ብዙሕ ፀገማት ዘስዕብ ስጉምቲ’ዩ ይብል። እንተኾነ ሓደ ወይ ክልተ ግዘ ጥራሕ ብጥንቃቐ ዝውሰድ ስጉምቲ እንተድኣ ኮይኑ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ ይገልፅ። እቲ በዓል ሞያ ብዛዕባ እቶም ረብሓታት ቅድሚ ምርድኡ፡ ሕፅረት ቀረብ ከም ፀገም ምርኣይ ደው ክብል ከምዘለዎን ከም ዕድል ዕዳጋ ተጌሩ ክረኣይ ከምዘለዎን የብርህ። ናይ ምፍራይ ፀገም ንዘይብላ ሃገር ብፍላይ ድማ ንሕፅረት መፍትሒ ምሃብ፡ ንኣፍረይቲ ዕድል ዕዳጋ’ዩ ብምባል ኣብነት የቕርብ። “ቅድሚ ዓመታት ባህላዊ ክዳን ካብ ኣውሮጳ ልዕሊ ዝመፅኡ ክዳውንቲ ክባር ምዃኑ ዝተዓዘቡ ቻይናውያን፡ ወሲዶም ብሕሳር ቴክኖሎጂ ሰሪሖም ኣምፅየሞ። እዚ ነቲ ኩሉግዘ ዘይንኽደኖ ናይ በዓል ክዳን’ዩ።` እሞ በብመዓልቱ ንጥቀሞም ምህርትታት ሕፅረት ምስዘጋጥም እዚ ንምምላእ ክንንቀሳቐስ’ዩ ዝግበአና” ብምባል ሰዒድ የረድእ። ኢትዮጵያ ሕፅረት በርበረ ንምፍታሕ ዘላቒ ክሳብ ዘይኮነ ካብ ወፃኢ ሃገር ምእታዋ ጥቕሚ ከምዘለዎ ይዛረብ። እቲ ቀዳማይ፡ ቴክኖሎጂ ምቕሳም’ዩ። ፍርያት ምግቢ ስለዝኾነ ኣሰራርሕኡ ምርኣይ ዘድሊ እኳ እንተኾነ፡ ሓደ ሓደ ፍርያት ሓደ ወይ ክልተ ግዘ ኣእቲኻ ምፍታን ፀገም ከምዘይብሉ ይገልፅ። እንተኾነ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት፡ ሕርሻ ስኖም ዝሸረፍሉ እናሃለወ፡ ከም ምህርትታት ኢዱስትሪ፡ ምህርትታት ሕርሻ ካብ ሃገራት ወፃኢ ምእታው ንኣቕረብትን ዓደግትን ንኽሳራ፡ ንመንግስቲ ድማ ንከቢድ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዘቃልዕ ከምዝኾነ እቲ በዓልሞያ ይሕብር። ኢትዮጵያ፡ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ዘለዎም ከም ማሽናት ዝኣመሰሉ’ምበር ምህርቲ ሕርሻ ካብ ወፃኢ ሃገር ምእታዋ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ቅዋም ድማ ኣለዎ። “ኣቕረብቲ ብዝሓሸ ፅሬትን ብሕሳር ዋጋን ዝፈረየ ምህርቲ ሕርሻ ካብ ወፃኢ ሃገር ምምፃእ ካብ ጭቃን ሓመድን ክገላግሎም ይኽእል። እዚ ሓንሳብ ተተለሚዱ ከቢድ’ዩ። ስንፍና የስዕብ። ኣብ ሱፐርማርኬት ካብ ግብፂ ዝመፅእ ኣርባዕተ ፍረ ኣራንሺ ብብር 280 ይሽየጥ። ዝተዋፅአ ደርሆ፣ እንቋቑሑን ሽጉርትን ካብ ወፃኢ ይኣቱ። ከባቢ ኣየርና ምቹው ክንሱ፡ እዚ ንምንታይ ክኸውን ክኢሉ ኢልካ ምሕታት የድሊ” ይብል እቲ በዓል ሞያ። ከም መዛዘሚ ነጋዶ፡ ኣብቲ ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ወርሒ ሕዳር በስገዳድ ክሸጥዎ ዝፀንሑ ናይ ቻይና በርበረ ቅረታ ኔርዎም’ዩ። እቲ በርበረ ገና ካብ ትርሽዋ (ካሻ) ክፍታሕ ጀሚሩ “ናይ ኬሚካል ሽታ” ከምዝነበሮን ነቲ በርበረ ዝዓደጉ ዓማዊል’ውን ቅረታ ከምዝነበሮምን ብርሌው ተዛሪቡ። “ናይ ቻይና በርበረ ንኪሎ ብብር 250 ናይ ዓዲ ውሽጢ በርበረ ድማ ንኪሎ ብር 350 እዩ ዝሽየጥ ኔሩ። እዚ ዓብይ ኣፈላላይ ዋጋ ኔርዎ። ዝዓደጉኒ ዓማዊል፡ እንትጠሓን ሕሩጬ ፅቡቕ ከምዝኾነ ነጊሮምኒ ኔሮም። እቲ ፀገም ኣብ ምግቢ ምስ ኣተወ’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ። በዓል ሞያ ቁጠባ ሰዒድ (ዶ/ር) ከምዚኦም ዝበሉ ምህርትታት ሕርሻ ካብ ሃገራት ወፃኢ እንትኣትዉ፡ ሕማም ሒዞም ከይኣትዉ ጥንቃቐ ብምግባር ክፍተን ከምዝግባእ የጠንቕቕ። ሓረስቶት ፃህያይ ‘ቅንጩ’ ኢሎም ዝፅውዕዎን (ብተፈጥሮ ኣብ ዘይነበረሉ ከባቢ ብልዑል ደረጃ ብምልባዕ ንነባር ዝራእቲ ዝፈታተን ፃህያይ) ኣብ ሓደ እዋን ካብ ህንዲ ዝኣተወ ማንጎን ስዒቡ ዝተፈጠረ ናይ ዝራእቲ ሕማም ድማ ከም ኣብነት የልዕል። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቁፅሪ ነጋዳይ ንቁፅፅር ዘይጥዕም’ዩ ዝብል እቲ በዓልሞያ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎም ዓበይቲ ነጋዶ ስለዘለዉ፡ ምስ መንግስቲ ንምድርዳር ቀሊል ይገብሮ። እዚ ንሓረስታይ’ውን ከምዝሰርሕ ይዛረብ። ብዙሕ ምህርቲ ብሕሱር ዋጋ ወይ ውሑድ ምህርቲ ብኽባር ዋጋ ብምሻጥ ትርፊ ከምዝርከብ ዝዛረብ እቲ በዓልሞያ፡ ኣናእሽተይ ነጋዶን ሓረስታይን ኣብ ዝርከበሉ ሃገር፡ ምኽባር ዋጋ ትፅቢት ዝግበር’ዩ ይብል። “ኣብ ዝዓበዩ ሃገራት፡ መንግስቲ ምስ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዝኾኑ ሱፐርማርኬታት’ዩ ዝደራደር። ኣባና ግና 20 ሽሕ ትካላት ንግዲ ዓፂና ዝብል ዜና ንሰምዕ። እዚ ዝያዳ ሕፅረት ዝፈጥር’ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስኣበባ ዝተኸፈተ ሓደ ሱፐርማርኬት ኣሎ። ኣብ ናይ ባዕሉ ገደና ኣራንሺ ብምፍራይ ንሓደ ኪሎ ብብር 30 ይሸይጥ። ኣብ ጥቕኡ ዝርከቡ ኣናእሽተይ ሹቓት ድማ ካብዚ ሱፐርማርኬት ብምዕዳግ፡ ብዕፅፊ ዋጋ ብብር 60 ይሸጡ” ብምባል፡ ኣብ ሞንጎ ዓበይቲ ኣቕረብትን ኣናእሽተይ ሸርሸርትን ዘሎ ኣፈላላይ የረድእ። ከምኡ’ውን መሓውር ዕዳጋ ኢትዮጵያ ደለልቲ ዝተዳዕነንዎን፡ ሰባት ኣብ ክንዲ ኣብ ስራሕቲ ፍርያት ምስታፍ፡ ኣብ ማእኸል ብምድላል እናኸሰቡ ምንባር ምምራፆም ካልእ ከቢድ ፀገም እዩ ይብል ሰዒድ (ዶ/ር)። ከም ምህርቲ ዕምበባ፡ ፍርያት ምግቢ ንዘፍርዩ ዓበይቲ ትካላት’ውን ብምሕጋዝ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ ብምዕዳም ካብኦም ምምሃር ከምዘድሊ ይዛረብ። “ብሓደ ግዘ 100 ሽምዓ ምብራህ ኣይከኣልን። ካብ ሓደ ሽምዓ ምጅማር ግና ይከኣል ዝብል ሰዒድ (ዶ/ር)፡ ኣፍረይቲ ዕምበባ ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ መረፃ ስዒቡ ንዝተፈጠረ ቅልውላው ንምህዳም’ዮም ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም፤ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ፍርያት ዕምበባ ፍልፍል ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ከምዝኾነን ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ ሰብሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ዝተፀንበርሉን ስግግር ቴክኖሎጂ ዝተገበረሉን ዘፈር ኮይኑ ብምባል፡ ከም ኣብነት የልዕል። እዚ ኣብ ካልኦት ዘፈራት’ውን ክድገም ኣለዎ ዝብል እቲ በዓልሞያ፡ “ እቲ ፈላማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን መፍትሒ ሓደ’ዩ። ብሕርሻ ዓርስና ምኽኣል” ብምባል፡ ምስፍሕፋሕ ዘበናዊ ሕርሻ ብሕታዊ መፍትሒ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊፁ። ኣብ ምዕራብ ሸዋ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ስሚንቶ ዳንጎቴ ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ተገሊጹ ኣብ ክልል ኦሮምያ: ዞባ ምዕራብ ሾዋ: ወረዳ ኣደኣ በርጋ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ስሚንቶ ዳንጎቴ ብኣባላት ዕጡቓት ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ከምዝተጨውዩ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ልዕሊ 30 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ሲሚንቶ ትማሊ ረቡዕ 21 ሕዳር 2015 ወጋሕታ ከምዝተጨወዩ ቢቢሲ ካብ ነበርትን ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ካብ ዘለዎም ምንጭታትን ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ስግኣት ጸጥታ፡ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ብናይቲ ኩባንያ መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ናብ ሓደ ቦታ ዕደና ሲሚንቶ እናተጓዕዙ እንከለዉ በቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከምዝተጨውዩ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቶም ሰራሕተኛታት ብኣውቶቡስ ናብ "ናብ መጥሓኒ እምኒ ዝርከቦ በረኻ" እናተጓዕዙ ከለዉ ጅሆ ከምዝተታሕዙ እቲ ነባሪ ገሊጹ። እቲ ነባሪ ከምዝብሎ፡ እቶም ዕጡቓት ነታ መኪና ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ፈሊዮም ነቶም ዝተረፉ ጨውዮሞም። ዳንጎተ ሲሚንቶ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ሓደ ኢንቨስተር ብዝኾነ ናይጀርያዊ ኣሊኮ ዳንጎቴ ዝውነን ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ሓደ እዩ። እዚ እቶም ሰራሕተኛታት ብኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተጨውዩሉ ፋብሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንምዕራብ ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ይርከብ። እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ነቶም ዝማረኾም ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሲሚንቶ ንምፍታሕ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝሓትት ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ፋብሪካ ሲሚንቶ ዳንጎተ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቶም ሰራሕተኛታት ይኹን እቲ ተሓቲቱ ዝተባህለ ክፍሊት ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ነገር ኣይገለጸን። ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ብወገኑ መልሲ ኣይሃበን። ቅድሚ ሕጂ፡ "ኣብቲ ዕጡቓት ዝንቀሳቐሱሉ ቦታታት ሰባት እናጨወዩ ገንዘብ ዝሓቱ ኣባላት ሰራዊተይ ኣይኮኑን" ኢሉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብተን ፋብሪካታት ስሚንቶ ዝርከበለን ዞባ ምዕራብ ሽዋን ሰሜን ሽዋን ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተሓተቲ ዝኾንሉ ቅትለትን ማእሰርትን ይሰማዕ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዝተኣሰሩ ሰባት ንምፍታሕ ገንዘብ ከምዝሕተት ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። ሓደ ካብቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብሰፊሑ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢታት እቲ ብዙሓት ፋብሪካታት ሲሚንቶ ዝርከቦ ወረዳ ምዕራብ ሾዋ ኣዳኣ በርጋን ከባቢኡን እዩ። ኣብዚ ዓመት መስከረም 23/2015 ኣባላት እቲ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ሲሚንቶ ሙገር ዝጸዓነት ኣውቶቡስ ብዝኸፈቶ ተዂሲ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን ሓያሎ ድማ ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን፡ ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ኣስታት 30 ሰራሕተኛታት ስሚንቶ ኢትዮ ተጨውዮም ድሕሪ ሰሙናት ተፈቲሖም ነይሮም። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝፈጸሞም መጥቃዕቲታት ሓዊሱ፡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣስሩ ከምዘለዉን ንኽፍትሑ ድማ ብዙሕ ገንዘብ ይጠልቡ ከምዘለዉን ሓቢሩ። እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ፋሕ ኢሉ ኣብ ነንሕድሕዱ ይጋጮ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቶም ዕጡቓት ዝኾነ "ፖለቲካዊ ኣጀንዳ" ከምዘይብሎም ገሊጹ። ገለ ሰባት፡ መንግስቲ፡ ከምቲ ምስ ሓይልታት ትግራይ ተዛትዩ ነቲ ክልተ ዓመት ዝገበረ ኲናት ንምቁራጽ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስዚ ጉጅለ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንክወስድ ሓሳብ እኳ እንተቕረቡ፡ በዓል ስልጣን ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ግን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ መንግስቲ ምስቲ ጉጅለ ኮፍ ኢሉ ከምዘይዛተ ምግላጹ ይዝከር። ሸኔን ዕጡቓት ኣምሓራን' ቀንዲ ተሳተፍቲ ግጭት ወለጋ ምዃኖም ተገሊጹ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ] ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባታት ወለጋ ኣብ ዝተኸሰቱ ጎንጽታት ቀንዲ ተሳተፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ሸኔ’ ኢሉ ዝጽውዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዕጡቓት ኣምሓራን ከምዝዀኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብፍላይ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉዱሩን ብሄር መሰረት ብዝገበሩ መጥቃዕትታት ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱን ብኣማኢት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉ ተገሊጹ። ኣብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓላፊ ዞባዊ ምርምርን ክትትልን ኦማድ ዓብዱልፈታሕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ሰባት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብቐንዱ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕን ዕጡቓት ኣምሓራን ተሳተፍቲ’ዮም” ኢሉ። ኣቶ ኦማድ ወሲኹ ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ግጭታት ዘስዓቦ መጠን ዕንወትን ጉድኣትን ንምፍላጥ ኣብ መስርሕ ምጽራይ ከምዝርከብ ሓቢሩ። “ሰባት ብሰንኪ መንነቶም ዕላማ ተገይሮም መጥቃዕቲ ይወርዶም ከምዘሎ ዝኣከብናዮም መረዳእታን መርትዖን ምስክር’ዮም” ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ ኣብዚ ቅንያት ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት መጠኖም ክብ ዝበለ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ። ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ኣብ ዘጽቀጥሉሉ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኦሮምያ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን ብሰንኪ ብሄር መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕታት ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ኰይኖም ይቕጽሉ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ። መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘበሎ ነገር’ኳ እንተዘየለ፡ ፖለቲከኛታት፡ ውድባት ፖለቲካን ሲቪል ማሕበራት ሻቕሎቶም ኣብ ምግላጽ ይርከቡ። ቤት ምኽሪ ትካል ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ዞባታት ወለጋ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘጋጥም ዘሎ ሞት፡ ምምዝባልን ስቓይን ኣመና የሻቕለኒ’ዩ ዝበለ ኰይኑ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታት ንኽሕሎ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ጸዊዑ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣስዒቡ ብሰንኪ እቲ ጐንጺ ኣብ ጸገም ንዘለዉ ክፋላት ሕብረተሰብ ብህጹጽ ረድኤት ክቐርበሎምን እቲ ጸገም ብዘላቕነት ፍታሕ ክናደየሉ ሓቲቱ። ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ብወገኑ ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዝተፈጠረ ቅልውላው መፍትሒ’ዮም ዝበሎም ሰለስተ ምኽረ-ሓሳባት ኣብ ናይ ውልቁ ማሕበራዊ ሚድያ ዝርጊሑ። ላዕለዋይ መሪሕነት ኮንግረስ ፌደራሊስት ኦሮም [ኦፌኮ] ዝዀነ ጃዋር መሓመድ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዅሲ ደው ኣቢሉ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ልዝብ ክጅምር ኣለዎ፡ ኢሉ። ካብኡ ብተወሳኺ ሚሊሽያታት ፋኖ ካብ ኦሮምያ ኣውጺእካ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም ዝበለ ጃዋር መሓመድ፡ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ከይዲ ሰላም ብሕታዊ ኣማራጺ ስለዝዀነ እዚ ንምዕዋት ትልሚ ሓንጺጽካ ምፍጻም ከድሊ’ዩ ኢሉ። ጃዋር መሓመድ፡ እቲ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ቅልውላው መዕለቢ ክረክብ እንተዀይኑ መንግስቲ ምስቲ ዕጡቕ ጕጅለ ክላዘብ ኣለዎ ይበል እምበር፡ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ግን ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናይ ምድርዳር ድልየት ከምዘይብሉ ምግላጹ ይዝከር። ውድባት ፖለቲካ ኣብን፡ ኢዜማ፡ ኦነግን ካልኦትን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣድሂቦም ኣብ ዘውጽእዎም መግለጺታት፡ ኣብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ቅትለት ከምዘሻቐሎምን መንግስቲ ሓላፍነቱ ክዋጻእን ሓቲቶም። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳታት ጊዳ ኣያናን ኪራሙን ዝቕመጡ ነበርቲ፡ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ጀሚርካ መጥቃዕቲታት ይፍጸሙ ከምዘለዉን ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት ከምዝተቐተሉን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ከምዝተመዛበሉን ገሊጾም። እቶም ነበርቲ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ዕጡቓት ኣምሓራን ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያን ተሓተትቲ ይገብርዎም። ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዘበልዎ ነገር የለን። ብሰንኪ እቲ ዝቐነየ ሓድሕዳዊ ጎንጽታት ልዕሊ 200 ሽሕ ነበርቲ መንበሪ ኣባይቶም ገዲፎም ፈቘዶ ጣሻታትን በረኻታትን ኣዕቝቦም ከምዝርከቡ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም። ምምሕዳራት ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮምያን ኣብ ጉዳይ ወሰናት ከምዝተሰማምዑ ተገሊፁ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ነታ ከተማ ካብቲ ክልል ኣብ ዝፈልዩ ምምሕዳራዊ ወሰናት ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሑ ተሓቢሩ። ኣብ ትሕቲ እታ ከተማ ዝነበሩ ገለ ከባቢታት ናብ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ክኣትዉ ክውሰን እንከሎ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኦሮሚያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክካተቱ ከምዝተገበረ ቢሮ ህዝባዊ ርክባት እታ ከተማ ኣፍሊጡ። ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ናብ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ዙርያ ብምእታው ሃኒፅዎም ዝተብሃሉ ኮንደሚንየም መንበሪ ኣባይቲ ድማ ናብቲ ፍሉይ ዞባ ክጥርነፉ ተወሲኑ’ሎ። ብተወሳኺ፡ ገለ ከባብታት ናይ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ዙርያ ናብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ከምዝተወሰነ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት ኮየ ፈጬ፣ ገለ ክፋል ቱሉ ዲምቱን ጀሞ ‘ቁጥር ሁለት’ን ኣካል ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ዙርያ ክኾኑ እንከለዉ፡ ክልል ኦሮሚያ ዝሃነፆ መንበሪ ኣባይቲ ‘ቆጣሪ ኮንደሚንየም’ ወይ ድማ ከባቢ ለቡ፣ ከፉሪ ሃናን ኦሮሚያ ኮንዶሚንየምን ሓዊሱ ክሳብ ‘ቀርሳ ወንዝ’ ዘሎ ከባቢ ድማ ኣካል ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክኸውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ተገሊፁ። ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፡ እዚ ንነዊሕ እዋን መዕለቢ ከይረኸበ ዝፀንሐ ሕቶ ህዝቢ "ብዓቢ ናይ ሓላፍነት ስምዒት፣ ብትግሃትን ተወፋይነትን ምስ ህዝብና ክንሰርሐሉን ክንመክርን ብምጽናሕ ሎሚ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽና ብዓወት ብምዝዛምዎና ሓጎስና ደረት የብሉን" ኢላ። እዚ ኣብ ሞንጎ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ከባቢ ክልል ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ዙርያን ዘሎ ጉዳይ ንሸውዓተ ዓመታት ብናይ ሓባር ቴክኒካዊ ኮሚቴ ክረኣይ ከምዝፀንሐ ይዝረበሉ። እቲ ውሳነ ኣብ ዝኾነሎም ከባቢታት ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት መንግስቲ ከምዘይቋረፅ ዘፍለጠት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፡ ናይ ኣገልግሎትን ፀጥታን ስራሕቲ ድማ ብኽልቲኦም ምምሕዳራት ከምዝፍፀሙ ኣመልኪታ። ኣብ ሞንጎ ምምሕዳራት ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ዘለዉ ወሰናት ንምፍላይ ኣብ ሓደ ውሳነ ክብፃሕ ምዃኑ ኣብ ዝተገለፀሉ እዋን ብቕልጡፍ ግብራዊ ክኸውን ካብ ዘተባብዑ ኣካላት ብተወሳኺ “ከምኡ ንምግባር እዋኑ ኣይኣኸለን” ክብሉ ዝተቓወሙ እውን ኣለዉ። ፖለቲካዊ ውድብ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ “ነቶም ኣብ ባይታ ዘጋጥሙ ፀገማት ንምፍታሕ ምምሕዳራዊ ወሰን ምጥራር ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፣ ነቶም ውሳነታት ምፍፃም ዝከኣል ግን ዜጋታት ብምስታፍ ሰብ ዋና እቲ ጉዳይ ብምግባር እዩ" ኢሉ ነይሩ። ነቲ ንነዊሕ እዋን መዕለቢ ከይረኸበ ዝጸንሐ ጉዳይ ምምሕዳራዊ ወሰናት ንህዝቢ ከየሳተፍካ ንምፍታሕ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ፡ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ዝዓዘዘ ከምዝኸውን’ውን ኣጠንቂቑ። ጉዳይ ምምሕዳራዊ ወሰን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያኣ ዘለዉ ፍሉይ ዞባታት ክልል ኦሮሚያን ንነዊሕ ዓመታት ከዘራርብ ዝፀንሐ እንትኸውን፣ ብፍላይ ቅድሚ 7 ዓመታት ብኢህወዴግ ዝተኣታተወ ‘ማስተር ፕላን’ ኣብታ ሃገር ከቢድ ቅልውላው ከም ዘስዓበ ይዝከር። እቲ ማስተር ፕላን ንኣዲስ ኣበባን ከባቢታት ኦሮሚያን ዘተኣሳስር ከምዝኸውን እኳ እንተተሓበረ፡ ኣብ ኦሮሚያ ግን ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ክለዓል ብምግባር ነቲ ስዒቡ ዝመፅአ ለውጢ ሓደ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ህዝባዊ ተቓውሞ ምውልዑ ስዒቡ፡ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ኣቶ ለማ መገርሳ፤ ህዝቢ ዘይተቐበሎ ውጥን ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል ብምግላፁ እቲ ማስተር ፕላን ኣይተተግበረን። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንኣምልኾ ዝተኣከቡ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ተቐቲሎም ኣብ ክልል ኦሮምያ ክልል ዞባ ምብራቕ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንኣምልኾ ዝተኣከቡ ሰባት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ከምዝተቐተሉ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። ብመሰረት ሓበሬታ እታ ቤተክርስትያን፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝሓለፈ ሰንበት 27 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዞባ ወረዳ ሳሲጋ፡ ጋሎ ዝተብሃለት ቀበሌ ንኣምልኾ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ምእመናን ቤተክርትያን ‘ሙለታ ገላ መካነ ኢየሱስ’ እዩ ተፈጺሙ። ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ ኢየሱስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝውፅኣቶ መግለጺ፡ ካብ ካልእ ከባቢ ዝመፅኡ ብዝሒ ዝነበሮም ዕጡቓት ኣብታ መዓልቲ ንኣምልኾ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ኣመንቲ ከምዝፈጸምዎ ሓቢራ። በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ብዙሓት ድማ ከምዝቖሉ እታ ቤተክርስትያን ኣፍሊጣ። ንኣምልኾ ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብትሪ ብምኹናን፡ ናይቲ ከባቢ ኣካላት ፀጥታ ነቲ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ክከላኸሉ ኮነ ድሕሪ ምፍፃሙ ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ “ዝተወሃቦም ሓላፍነት ክፍጽሙ ብዘይምኽኣሎም” ሓዘና ገሊጻ። ብዘይካ'ዚ፡ ድሕነት ህዝቢ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ፡ "ሰላማውያን ሰባት ብግፍዒ እንትቕተሉ ግቡእ ሓለዋ ብዘይምግባሩ፤ ነቲ ፍጻመ ኣፍልጦ ክህብ ዘይምድላዩ ወይ ሸለል ምባሉ፡ ንህዝቢ ዘለዎ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ኣብ ሕቶ ዘእቱ እዩ" ክትብል እታ ቤተክርስትያን ኣብ መግለጺኣ ነቒፋ። እዚ መጥቃዕቲ፡ "ድሕነት ዜጋታት ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ክንሓስብ ይገብረና" ብምባል፡ ፈጸምቲ እቲ መጥቃዕትን ኣብቲ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝተሳተፉ ሰባትን ክቃልዑን ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ሓቲታ። ኣብቲ ከባቢን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ብሰንኪ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ህይወት ብዙሓት ንፁሃት ዜጋታት ይጠፍእ ከምዘሎ እታ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መግለፂኣ ኣዘኻኺራ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ - መንዲ፡ ካብ ኣምልኾ ዝምለሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "14 ምእመና፣ መራሕትን ኣገልገልትን እታ ቤተክርስትያን" ከምዝተቐትሉ ሓቢራ። መንግስቲ ከምቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ዝተገብረ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ጸገም ጸጥታ’ውን ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ጻዕሪ ክገብር ጸዊዓ። ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ኦሮምያ ብዕጡቓት ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታትን ሓይልታት መንግስቲ ብዝወሰድዎም ስጉምትታትን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ብዙሓት ንኣካላዊ መጉዳእቲ ካብ ምቅልዖም ብተወሳኺ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መጥቃዕቲ ሃዲሞም ናብ ካልኦት ከባብታት ክፈናቐሉ ተገዲዶም ይርከቡ። ኣብ ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ኪራሙ ዕጡቓት ብ12 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ብዝፈጸምዎ መጥቃዕትን ብዝነበረ ግጭትን ብዙሓት ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ። ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ዝተረፉ ነብርትን ኣመሓዳሪ እቲ ዞባን ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ ብኣማኢት ዝቖጸሩ ሰባት ተቐቲሎም’ዮም። ንድሕነቱ ብዝብል ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ነባሪ፡ መንግስቲ ‘ኦነግ ሸኔ’ ክብል ዝጽውዖም ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐሱ ብምዝኽኻር ነቲ ቕትለት ዝፈጸመ ከኣ እቲ ጉጅለ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ተወላዲ ኣምሓራ ዝኾነ እቲ ውልቀሰብ፡ ፍሉይ ሓይሊ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ካብቲ ቦታ ምውጽኡ ስዒቡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ኣረዲኡ። “እቶም ፍሉይ ሓይሊ ብ 11 ነሓሰ ምስወጽኡ ኦነግ ሸኔ ከኣ ብ 12 ወራር ጀሚሩ። ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም’ዮም። ንጹሃን ተጨፍጪፎም። ንብረት ብሓዊ ዓንዩ” ክብል ነቲ ኩነታት ገሊጹ። እቶም ነብርቲ ከምዝብልዎ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 8 ሽሕ ሰባት ተፈናቒሎም። ንተፈናቐልቲ ዝበጽሐ ረድኤት ከምዘየለን ኣብ ጸገም ከምዝርከቡን ድማ ወሲኾም ሓቢሮም። ኣመሓዳሪ ዞባ ምብረቕ ወለጋ ኣይተ ኣለማየሁ ተስፋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቅድሚ መዓልታት ኣብቲ ከባቢ ጎንጺ ከምዝነበረ ብምግላጽ “እቲ ጉድኣት ብኦነግ ሸኔን ዕጡቓት ኣምሓራን ተፈጺሙ” ኢሉ። “ኣብቲ መጥቃዕቲ ሸፋቱ ሸኔን ተለኣኣኽቲ ጁንታን እዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓርን ኦሮሞን ተኹሲ ከፊቶም። ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣምሓራ እውን ኣለዉ። ሕዚ እቲ ጎንጺ ደው ኢሉ’ሎ” ክብል ተዛሪቡ። ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐሱ ዝገለጾም “ሸፋቱ ሸኔን ዕጡቓት ኣምሓራን” ልውውጥ ተኹሲ ከምዝገበሩ ብምግላጽ “እዞም ክልተ ጉጅለታት ነሓድሕዶም ተታዂሶም’ዮም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ’ውን ተኲሶም” ኢሉ እቲ ኣመሓዳሪ። ዕላማ ክልቲኦም ዕጡቓት “ንዓመታት ሓቢሩ ብሰላም ዝነበረ ብሄር ክጓነጽ ንምግባር’ዩ” ብምባል ድማ ኣብቲ ጎንጺ ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአን ብዙሓት ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ከምዝተፈናቐሉን ኣረጋጊጹ። ኣብዚ እዋን እቲ ከባቢ ናብ ምርግጋእ ከምዝተመለሰን ዝተፈናቐሉ መሊስካ እግሪ ክተኽሉ ንምግባር ብዝምልከቶም ሓለፍቲ ምርብራብ ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ። ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነባሪ ግን እቲ ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ተወለድቲ ኦሮሞን ኣምሓራን ከምዝነበረ ብምግላጽ እቲ ጉድኣት እውን ብሰንኪ’ዚ ከምዘጋጠመ ኣረዲኦም። “ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ኣምሓራን ኦሮሞን ጎንጺ ነይሩ። ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣብዚ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣለዉ። ቅድሚ ሎሚ ተፈጢሩ ንዝነበረ ጎንጺ ስዒቡ ናብ ክልሎም ከይዶም’ኳ እንተነበሩ ጸኒሖም ግን ደቂኣንስትዮን ህጻናቶምን ገዲፎም ናብቲ ከባቢ ተመሊሶም ብምምጻእ ምስ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ተጋጭዮም” ኢሎም እቶም ተወላዲ ኦሮሞ። እቶም ነባሪ ነዚ እንትብሉ፤ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ኣለማየሁ ግን ካብ ክልል ኣምሓራ ናብቲ ከባቢ ዝኣተወ ዕጡቕ ከምዘየለ ተዛሪቡ። “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሕ’ዩ ዝዝረብ። ብዝተፈላለዩ መገድታት ብሄራት ክበኣሱ ይግበር። ኮይኑ ግን ካብ ካልእ ከባቢ ኣትዮም ብዛዕባ ዝባሃሉ ዕጡቓት ዝኾ ዓይነት ሓበሬታ የብለይን። እንተሃልዩ ክነጻርዮ ኢና” ኢሎ ኣይተ ኣለማየሁ ተስፋ። ቢቢሲ በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ናይ ዝባሃሉ ሰባት ቁጽሪ ንምጽራይ ጻዕሪ ዝገበረ ኮይኑ ዝተፈላለየ ኣሃዛት ረኺቡ’ሎ። ብሓፈሻ ግን ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ። መንበሪ ገዛውቲ ከምዝተቓጸሉን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከምዝኸዱን ተሓቢሩ’ሎ። መንግስቲ ሸኔ ክብል ዝጽውዖን ብኣሸባርነት ዝፈረጆን ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ህወሓት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ዘፍለጠ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፤ ዕጡቓቱ ኣብቲ ሎሚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ቅድም ክብል’ውን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ምንባሮም ይዝከር። ኦሮሚያ፡ 'ንብረትኻ ስለ ዝሰረቕኹ ይቕረ በለለይ' ዝብል ደብዳበ ዝጽሓፈ ሰራቒ ኣብ ዞባ ጅማ፡ ሓደ ሰራቒ ናብ ውልቀ ተበዳሊ "ንብረትካ ስለ ዝሰረቕኹ ይቕረ ግበረለይ" ዝብል ደብዳበ ብምጽሓፉ የዘራርብ ኣሎ። ብመስኮት ዘሊሉ ብምእታው ዝኣኽሎ ወሲዱ፣ ዝበልዖን ዝሰትዮን በሊዑን ሰትዩን ምስ ወድአ፡ "ፈጣሪ ዓዲሉካ'ዩ እሞ ኽኣለኒ፤ ንብረትኻ ስለ ዝሰረቕኹ ድማ ይቕረ ግበረለይ" ኢሉ ዝጽሓፈ ሰራቒ ብሰፊሑ የዘራርብ ኣሎ። ፖሊስ ክሳብ ሕጂ ናብ እንዳ'ማቱ ኣትዩ ንብረት ብምስራቕ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ እኳ እንተዘየውዓሎ፡ እቲ ጥርጡር ካብ ዝጽሓፎ ደብዳበ ተበጊሱ ግን እቲ ውልቀሰብ ተመሃሪ ከይኾነ ኣይተርፍን ዝብል ግምት ሂቡ ኣሎ። እዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባ ጅማ ወረዳ፡ ጌራ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዘይውዐዓለ ጥርጡር ናብ መንበሪ ገዛ ኣቶ ጋሪ ተስፋዬ ኣትዩ ትሸዓተ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ሰሪቑ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት እቶት እታ ወረዳ ዝሰርሕ ኣቶ ጋሪ ናብ ፖሊስ ሓቢሩ። "ሰራቒ ናብ ገዛይ ኣትዩ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ወሲዱ ኣሎ። ኣብ ገዛ ዝነበረ መግቢ'ውን ቢሊዑ ከም ዝኸደ ንፖሊስ ሓቢረ ኣለኹ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ግን ብዙሓት ዘገረመ ጉዳይ ይፍጠር። እቲ ጥርጡር ካብ ዝወሰዶም ትሸዓተ ኣቑሑ ነቶም ሽዱሽተ ከየጉደለ መሊሱዎም። እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ኣቑሑ ግን "ይጠቕሙኒ'ዮም" ብምባል ኣትሪፉዎም። ካብዚ ዝገደደ ዘገርም ነገር ግን ናይ ይቕረታ ደብዳበ ኣብ ገዛ ምግዳፉ'ዩ። ኣቶ ጋሪ፡ ካብቶም ዝተሰረቑ ኣቑሑ እቶም ሽዱሽተ ከም ዝተመለሱ፡ እቲ ዝተጽሓፈሎም ደብዳበ ሒዞም ዳግም ናብቲ መደብር ፖሊስ ምኻዶም ንቢቢሲ ተዛሪቦም። ዓቃቢ ሕጊ እታ ወረዳ ኣቶ ተሬሳ ኢዶሳ እቲ ጥርጡር ናብ መንበሪ ገዛ ውልቀሰባት ኣትዩ ዝወሰዶም ኣቑሑ ኣብቲ ደብዳበ ከም ዝዘርዘሮምን ነቶም ሰለስተ ከም ዘትረፎምን ብትኽክል ገሊጹ ኣሎ ይብል። መዐቀኒ ረስኒ ሰብነት [ቴርሞሜትር]፣ መዳመጺ ሰብነት [ስቴቴስኮፕ]፣ ሓደ ሞባይል፣ 'ኢርፎን'፣ ክልተ ሞባይል ቻርጀር፣ ጓንቲ፣ ብረዕታት፣ 25 ብርን ማሓፉዳን እዮም። በዓልቲ ቤት ኣቶ ጋሪ በዓልቲ ሞያ ሕክምና ስለ ዝኾነት ኣብቲ ገዛ ናይ ሕክምና ናውታት ከም ዝነበሩ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ። "ተመሃሪ ከም ዝኾነን ከም ዝተጸገመን ኣብቲ ደብዳብኡ ገሊጹ ኣሎ። 'ፈጣሪ ክሕልወኒ'ዩ' ኢሉ ካብ ዝወሰዶም ኣቑሑ ጓንቲ፣ ብርዕን 25 ብርን ኣትሪፉ ኩሉ መሊሱዎ'ዩ። ጠምዩ ስለ ዝነበረ 'መግቢ'ውን በሊዐ'የ' ክብል ጽሒፉ ኣሎ" ይብል ኣቶ ተሬሳ። እቲ ውልቀሰብ፡ ከመይ ኢሉ ናብቲ ገዛ ከም ዝኣተወን ከም ዝወጽአን'ውን ኣብቲ ደብዳበ ከም ዝተኻተተ ሓቢሩ። "ዝኾነ ዓይነት ገበን ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ስለ ዝኸልእ፡ እዚ ገዛእ ነብስና ካብ ገበን ክንከላኸል ይምህረና'ዩ" ዝበለ እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ሕብረተሰብ ንነብሱ ክሕሉ ኣተሓሳሲቡ። ታሪኽ ህዝቢ ኦሮሞ ዝስንድ ደራሲ ኣፈንዲ ሙተቂ ደራሲ ኣፈንዲ ሙተቂ ታሪኽን ባህልን ህዝቢ ኦሮሞ ብኻልኦት ቋንቋታት እናሰነደ ያታ ኦሮሞቶት የላሊ ከምዘሎ ይገልጽ። ንሱ ህዝቢ ኦሮሞ ፈታዊ ሰብን ብዙሕ ዘይተገለጸ ታሪኽ ከምዘለዎ እዩ ዝዛረብ። መረጻ 2021፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ 'ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ' መስርሕ ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ነይሩ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ወረዳ ጃዊ ኣብ ጥቓ ክልል መረጻ ኖኖ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ነቑጣታት መረጻ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ብምሟቶም መስርሕ ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ከም ዝነበረ ምንጪታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም ኣብ ጥቓ እተን ክልተ ጣብያታት መረጻ ዝተቐተሉ ሰባት ሓደ ኣባል ሚልሻ፣ ሓደ ኣባል ፖሊስ ኦሮምያን ካልእ በዓል ስልጣን እቲ ከባብን እዮም። ኣፈጻጽማ እቲ መረጻ አመልኪታ ትማሊ ምሸት ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃበት ኣካቢት ቦርድ መረጻ ብርቱኳን ሚደቅሳ "ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ክልል መረጻ ኖኖ ኣብ ክልተ ነቑጣታት መረጻ ዕጡቓት ስለ ዝረበሹ ስነ ስርዓት ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ነይሩ" ኢላ፡፡ ወሲኻ ድማ ‘‘ካብዚ ወጻኢ፡ እዚ ዝበሃል ጸገም ጸጥታ የለን’’ ኢላ። ኮይኑ ግና ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓላፊ ቦርድ መረጻ እቲ ከባቢ፡ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም፤ መስርሕዲ ምሃብ ድምጺ ድማ ተቛሪጹ ነይሩ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ቢቢሲ ካብ ካልኦት ምንጭታት ከም ዘጻረዮ፡ ኣብ ወረዳ ሊበን ጃዊ ኣጋል ጎቦ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ካብ ሰዓት 3፡00 ክሳብ 5፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰባት ተቐቲሎም እዮም፡፡ "እቲ ጸገም ኣብተን ክልተ ጣብያታት መረጻ እዩ ኣጋጢሙ’’ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ እተን ጣብያታት መረጻ ኑኑ ባሳሌን ኣጋል ጎቦን ከም ዝኾና ገሊጹ፡፡ እቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዘረጋገጸ ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ኣቶ ድሪርሳ ድማ፡ እቲ መረጻ ክካየድ የብሉን ዝበሉ ዕጡቓት ካብ ሰንበት ምሸት ጀሚሮም ምንቅስቓስ ይገብሩ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ። "በቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ሓደ ሰብ ኣባል ሚልሻ እዩ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ንስራሕ ዝተመደበ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ እዩ" ኢሉ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፡ ሜታ ወልቂጤ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ወረዳ፡ ዕጡቓት ሸነ ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ 9 ኣብ ስራሕቲ መገዲ ዝተዋፈሩ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ። ኢትዮጵያ፡ ጥዕና ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን 'ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት' ከምዝርከብ ተገሊጹ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጀዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ፖለቲከኛታት ኣብ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። ሓደ ካብ ጠበቓታቶምን ቤተሰብ ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድን ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ እቶም ፖለቲከኛታት ኣብ ምሕሳም መግቢ ሻድሻይ መዓልቶም ስለ ዘቑጸሩ፤ ጥዕንኦም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ይርከብ። ሓፍቲ ጃዋር መሓመድ ዝኾነት ራቢያ ሲራጅ፡ ክልቲኦም ዝርከብዎም እሱራት ፖለቲከኛታት ኣዝዮም ተዳኺምም ከም ዝርኣየቶም ተዛሪባ። ንሳ፡ "ሕዚ ሪእዬኦም እየ ዝምለስ ዘለኹ። 'ቃልሲ ነካይድ ስለ ዘለና ዋላ ሓደ ነገር ኣይንበልዕን' ኢሎምኒ። ሰብ ከመይ ኢሉ ማይ'ኳ ከይጠዓመ ይጸንሕ? ደው ምባል ኣብዩዎም እየ ሪእየዮም። ደው ኢሎም ሰብ ከዛርቡ ኣይክእሉን። ሎሚ መዓልቲ ሻድሻይ መዓልቶም እዩ። ኣነ ብዓይነይ ምርኣይ ከቢዱኒ በኺየ ገዲፈዮም ወጺኤ" ኢላ። በዓል ጃዋር፡ 'ብመስዋእቲ መናእሰይ ዝተረኸበ ዓወት ኣሕሊፍና ኣይንህብን' ከም ዝብሉ ድማ ወሲኻ ተዛሪባ። ትማሊ ክልተ ኣምቡላንስ ኣብኡ ደው ኢለን ክጽበያ ከም ዝረአየትን እንተወዲቖም ክለዓሉ ከም ዘይክእሉን ግምታ ሓቢራ። ሓደ ካብ ጠበቓታት በዓል ጃዋር ዝኾነ ኣይተ ቱሊ ባይሳ ብወገኑ፡ ብሰሉስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዱ ንኹነታት እቶም እሱራት ከም ዝረኣየን ንሱ'ውን ተዳኺሞም ከም ዝረኸቦምን ንቢቢሲ ተዛሪቡ። "ሰለስተ ጠበቓታት ኮይንና ብምኻድ ንኣይተ በቀለ፣ ኣይተ ጀዋር፣ ኣይተ ሃምዘን ኣይተ ሸምሰዲንን ሪኢናዮም። ካልእ እዋን ንሕና ጠበቓታቶምን ምስኣቶም እንራኸበሉ ቦታ ዝተፈለየ ነይሩ። ሎሚ ግን ናብቲ ቦታ ክመጽእ ስለ ዘይከኣሉ ናብ ውሽጢ እተዉ ተባሂልና ናብቲ ዝድቅሱሉ ክፍሊ ኣቲና ኢና ረኺብናዮም" ኢሉ። ኣርባዕቲኦም ኣብ ፍራሽ ደቂሶም ከም ዝረኸቡዎም እንተኾነ ኣዝዮም ከም ዝተዳኸሙን ክንቀሳቐሱ ከም ዘይክእሉን እቲ ጠበቓ ገሊጹ። ኣይተ ቱሊ ወሲኹ ድማ፡ "ከፍ ስለ ዘይብሉ ዳቂሶም ከለዉ ኢና ኣዛሪብናዮም። ከም ዝተጎድኡ ኣብ ገጾም ይረኣይ ነይሩ። መጠን ግሉኮሶም ነኪዩ'ሎ። ብፍላይ ኣይተ በቀለ ገርባ መጠን ግሉኮሱ ኣዝዩ ከም ዝነከየን ዝለዓለ ክትትል ከም ዘድልዮን ብሓኻይም ከም ዝተነገሮም'ዮም ገሊጾምልና" ኢሉ። ጠበቓ ቱሊ ከም ዝብሎ ትማሊ ቅድሚ ቐትሪ ናይ ውልቆምን መንግስታውን ሓኻይም ብሓባር ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከይዶም ንበዓል ጃዋር ርእዮምዎም'ዮም። ንሳቶም፡ ብጠበቓታቶም ኣቢሎም ኣብ ዝጽሓፍዎ መመልከቲ ደብዳበ፡ ብምኽንያት እቲ ምሕሳም ምግቢ ኣብ ጥዕንኦም ጸገም እንተጋጢሙን እንተወዲቖምን ናብ ናይ ውልቆም ሓኸይም እምበር መንግስቲ ናብ ዘዳልዎም ሓካይም ክውሰዱ ድልየት ከም ዘይበሎም ኣፍሊጦም ኣለዉ። እቲ ለውጢ ንሳቶም ዝተሳተፍሉን ቄሮን ቀሬን ዝመርሕዎ ኮይኑ እናሃለወ፡ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ውድባት ኦሮሞ ማእሰርትን ኣብ መረጻ ከይሳተፉ ምስራዝን ጠጠው ንክብል ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ጠበቓ ይዛረብ። ወሲኹ፡ እቶም እሱራት ፖለቲከኛታት ኣብ ልዕሊ ሚድያታት ኦሮሞ ይካየድ ኣሎ ዝበሉዎ ዓፈና ጠጠው ንኽብል ከም ዝደልዩ ገሊጾምለይ ኢሉ። "ብሓፈሻ ልዕልና ሕጊ ይኽበር ኣይኮነን ዘሎ። ስለዚ ንሕና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዘለና መግቢ ብምሕሳም ሰላማዊ ተቓውሞ ክንገልጽ ስለ ዝወሰንና ኢና ነዚ ንገብር ዘለና ዝብል'ዩ ሓሳቦም።" ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝርከቦም 24 ተኸሰስቲ ካብ ዝቐረቡ 10 ክስታት እቶም ሽድሽተ ንክስረዙ፡ ብ22 ጥሪ 2021 ዝወዓለ መጋባእያ ቤትፍርዲ ወሲኑ። እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ክሱሳት፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ መወዳእታ ውርሒ ሰነ 2019 ዘጋጠመ ቅትለት ፍሉጥ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳን ዝሰዓበ ኣማኢት ሰባት ዝተቕትልሉ ናዕቢ'ዮም ተኣሲሮም። ጃዋርን ብጾቱን ብገበናት ግብረ-ሽበራ፡ ምጥፍፋእ ቴለኮም ከምኡ'ውን ምጥሓስ ሕጊ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ኣጽዋር ዝብሉ ቀንዲ ካብቶም ዝቐረብሎም ክስታት'ዮም። እቶም እሱራት ነቲ ክሲታት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም። ብፍላይ ኣቶ ጃዋር፡ ማእሰርቱ ኣብቲ ዝመጽእ ምርጫ ከይሳተፍ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ክሲ'ዩ ክብል ይምጉት። ንመሰላት ህዝቢ ኦሮሞ ክቃለስ ዝጸንሐ ጃዋር መሓመድ፡ ኣባል ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ (ኦፌኮ) ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ'ዩ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ጃዋር ኣብ 2013 ነቲ ኣንጻር መንግስቲ ኢሂወዴግ ካብ ርሑቕ ዘካይዶ ዝነበረ ፖለቲካዊ ገስጓሳቱ ንምሕያል ኦሮሚያ ሜድያ ኔትዎርክ (OMN) ዝብል መደበር ሳተላይት ቴሌቪዥን መስሪቱ። ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ንሱ ዝመስረቶ መደበር ቴሌቪዢን'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ከይሰርሕ ብመንግስቲ ተኣጊዱ ይርከብ። ፍሉይ ሓይሊ፡ ስግኣት ሃገራዊ ሓድነት'ዶ ጸግዒ ክልላዊ ድሕነት? ፍሉይ ሓይሊ፡ ስግኣት ሃገራዊ ሓድነት'ዶ ጸግዒ ክልላዊ ድሕነት? ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ዳርጋ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ኣድላዪ ዕጥቂ ዘማልአ ናይ ባዕለን ፍሉይ ሓይሊ ኣቚመን'የን። እዚ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ከም ዝኾነ ብምግላጽ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝውደበሉ ኣገባብ'ውን ሕጋዊ መሰረት የብሉን ኢሎም ዝካትዑ ኣለው። ብኻልእ ወገን፡ ረብሓ ፖሊስ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ግምት ብምእታው ድሕነት ህዝቢ ሓደ ክልል ንምሕላው ዝለዓለ እጃም ኣለዎ ዝብሉ ኣለው። ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓይሊ ክምስረት ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ብፖሊስ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሕ እዩ ይብል። ተመራማሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቶ ፍስሃ ተክሌ፡ ኣብታ ሃገር ካብ 1998 ዓ.ም ንድሓር ኣብ ክልል ሶማሌ ፍሉይ ሓይሊ ክቐውም ከም ዝጀመረ ይዛረብ። "ምስ ዕጥቃዊ ቃልሲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብዝተሓሓዝ'ዩ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ተመስሪቱ። ብድሕሪኡ ኣብ ኦሮሚያን ኣምሓራን ካልኦት ክልላትን ክሰፍሕ ጀሚሩ" ኢሉ። ተወላዲ ክልል ሶማሌን ክልተ ግዜ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝነበሩ ኣቶ ጀማል ድሪ ሃሊስ ቅድም ክብል ብዛዕባ ኣመሰራርታ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ብዝምልከት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ "ሰራዊት ምክልኻል ኣብቲ ከባቢ ንዝንቀሳቐስ ዝነበረ ናይ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ሰራዊት ክድምስስ ብዙሕ ጻዕሪ ገይሩ ፈሺሉ" ኢሉ ነይሩ። ኣቶ ጀማል ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ነቲ ጉጅለ ዝቃለሱ ዝነበሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ቋንቋን ባህል እቲ ከባቢ ስለ ዘይፈልጥዎ እቲ ተቓዋሚ ጉጅለ ካብቲ ተራ ዜጋ ምፍላይ ይጽገሙ ነይሮም። " ኣብ 2007 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኦብነግ ነዳዲ ኣብ ምእላሽ ተዋፊሮም ዝነበሩ ልዕሊ 70 ቻይናውያንን ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያንን ቀቲሉ። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ፌደራል ኣንጻር እቲ ጉጅለ ዘየናሕሲ ስጉምቲ ክወስድ ወሲኑ" ይብል። ነዚ ብሕታዉን ወሳንን ኣማራጺ ዝነበረ፡ ኣብ ክልል ሶማሌ ስራሕ ኣልቦ ኾይኖም ጸገም ዝፈጥሩ ዝነበሩ መናእሰይ ብምዉዳብ፣ ስልጠና ብምሃብን ብምዕጣቕን ኣብ ልዕሊ ኦብነግ ክዘምት ምግባር'ዩ ይብል ኣቶ ጀማል ይገልጽ። ኣብ ዙርያ ኣመሰራረታ ፍሉይ ሓይሊ ካብ ዝለዓሉ ክትዓት እቲ ሓደ፡ ሕጋዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል እዩ። ዓንቀጽ 52 ሕገመንግስቲ ፌደራላዊት ዴሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ስልጣንን ተግባርን ክልላት ይድንግግ። ዓንቀጽ 52/ሰ ክልላት ናይ ባዕለን ፖሊስ ይውድባ፣ ይመርሓን ሰላምን ጸጥታን ግዝኣተን ይሕልዋን ይብል። እንተኾነ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ንትርጉም ክፍቲ ከም ዝኾነ መምህር ፌደራሊዝምን ሰብኣዊ መሰላትን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሲሳይ መንግስቴ ይዛረብ። "ካብቲ ስሩዕ ናይ ፖሊስ ሓይሊ ብተወሳኺ ክልላት ካልእ መሓውር ጸጥታ ክውድባን ከውፍራን የፍቕድ እዩ ኢሎም ዝትርጉሙዎ ኣለው። ብኻልእ ወገን ክልላት ነቲ ስሩዕ ፖሊስ ተጠቒመን'የን ሰላምን ጸጥታን ክሕልዋ ዘለወን ኢሎም ዝካትዑ ወገናት ኣለው"። ፍሉይ ሓይሊ ዝምስረተሉ ኣገባብ ሕጋዊ'ዩ ኣይኮነን ንምባል ከም ዘጸግም ዝዛረብ ዶክተር ሲሳይ፡ "ሙሉእ ንሙሉእ ሕገ መንግስታዊ መሰረት የብሉን ምባል ኣይከኣልን። ሕገ መንግስታዊ መሰረት ኣለዎ ንማለት'ውን እቶም ድንጋገታት ግሉጽነት ይጎድሎም'ዩ" ይብል። ስለ ዝኾነ ድማ፡ መንግስቲ ፌደራል ምስ ኣተሓሕዛ ዕጥቅን ኣወዳድባን ብዝተሓሓዝ፡ ንጹር ፖሊሲ ብምውጻእ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተጠቕሰ ዓንቀጽ ብዝርዝር ብሕጊ ክመርሖ ይግባእ ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ። ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኣብ ዝወስድዎም ስጉምታት ካብ ሻራውነት ናጻ ከምዘይኮኑን ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፍጽሙን ብምግላጽ ክብተኑ ኣለዎም ዝብሉ ኣካላት ኣለው። ሓደ ካብዞም ኣካላት ድማ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] እዩ። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሰልፊ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ኣመሰራርታ እዩ ዘለዎም ዝብል እምነት ኣለዎ። "ክንዕዘቦም ከለና፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ንባዕሉ ጠበቓ ሓደ ብሄር ገይሩ ብምውሳድ ኣብቲ ዝተወደበሉ ክልል ዝነብሩ ተወለድቲ ካልእ ብሄር መጥቃዕቲ ክበጽሖምን ማሕለኻ ሰላምን ምርግጋእን ክኸውን ተራእዩ'ዩ" ኢሉ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ጉዳያት ውድብ ናጽነት ትግራይን ምሁር ፖሊቲካል ሳይነስን፡ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ፡ ኣብ ኣድላይነት ምጥያስ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ካብ ዝኣምኑ ሓደ እዩ። ብፍላይ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ "ህልው ፖለቲካዊ ኩነታትን ጸገም መሪሕነትን" ክልላት ዝተማልአ ሰላምን ድሕነትን ግዝኣተንን ንምርግጋጽ ክኣምንኦ ዝኽእላ ስነ ምግባራዊ ፍሉይ ሓይሊ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ ይብል። "ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ወረቐት ኣየድሕንን [ሕገ መንግስቲ]፤ ኣብታ ሃገር ክሕልወና ዝኽእል መንግስቲ ኮነ ሕጊ የለን። ብኣንጻሩ ምስ ጸላኢ ተሰሊፉ ከጥፍአና እዩ ዝደሊ። ስለዚ ክልላት ናይ ባዕለን ሰራዊት ክህልወን ግድን'ዩ" ኢሉ። እዚ ሓይሊ ነቲ እተን ክልላት ዝመርሕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ስለ ዝውግን፣ ብኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስለ ዘለው፡ እቲ ኣወዳድባ ክፈርስ ኣለዎ ንዝብል ክትዕ ድማ ብምፍራስ ዘይኮነ ኣብ ኣተሃናንጻ ጥንቃቐ ክግበር ከም ዘለዎ ይዛረብ። "ንዓይ ሐዚ ዘሎ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ህዝባዊ'ዩ። ብመሰረቱ ግን መንግስቲ እምበር ሓደ ውድብ ክዕጠቕ ስለ ዘይኽእል ናይ ፓርቲ መፈጸሚ ተገይሩ ክርአ የብሉን። ናብ ከምኡ ደረጃ ንከይኸይድ ድማ ክንቃለስ ኢና" ኢሉ። ተመራማሪ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣቶ ፍስሃ፡ ቅድም ኢሉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ብዝወሰዱዎም ስጉምታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈጺሙ'ዩ ኢሉ። ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት እተን ክልላት ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ፈጺሞም'ዮም ይብል። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ'ውን፡ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሚያ ኣብ ክልቲኦም ዞባታት ጉጂ "ካብ ሕጊ ወጻኢ ሰባት ከም ዝቐትሉን ኣባይቲ ከም ዘቃጸሉን ሰኒድና ኢና" ኢሉ ነይሩ። ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ'ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተላዐለ ግጭት ተሳቲፎም'ዮም ዝብል ኣቶ ፍስሃ፡ "ንሓደ ወገን ወጊኖም መጥቃዕቲ ኣብጺሖም'ዮም፤ ኣባይቲ ኣቃጺሎምን ካብ ሕጊ ወጻኢ ሰባት ኣሲሮምን'ዮም" ይብል። ኣብ ቀረባ ግዜ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ኣብ ዘርኣዮ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ፈኲስን ማእከላይን ብረት ኣጽዋር ዝተዓጠቑ ኣባላት ተራእዮም'ዮም። ካልኦት ክልላት'ውን ተመሳሳሊ ኣጽዋር ተዓጢቐን እየን ዝበለ ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ ጉንፋ፡ ብመንጽር ዝወሃቦም ልኡኽ እቲ ዝዓጠቕዎ ብረት ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ይዛረብ። ኢታማጆር ሹም ኣደም መሓመድ ግን ምስ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ ኣብ መሰረት ሕጋዊነት ሕቶ ብምልዓል፡ ብሓይሊ ዝዓጠቑ'ዮም ክበሃል ግን ኣይክኣልን ኢሉ። "እቶም ፍሉይ ሓይሊ ከቢድ ኣጽዋር ተዓጢቖም'ዮም ክብሃል እንከሎ ኣይርድኣንን። ናይ ዕጥቂ ደረጃ ኣሎ'ዩ እኳ እንተዘይበልኩ፡ እቲ ከቢድ ኣጽዋር ዝተባህለ ግን ናይ ጉጅለ ኣጽዋር ንማለት ክኸውን ይኽእል'ዩ"። ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ንሃገራዊ ሓድነት ስግኣት ስለ ዝኾነ ክብተን ኣለዎ ዝብሉ ወሃብቲ ርኢይቶ ኣለው። ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ ጉንፋ ግን በዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን። 'ፍሉይ ሓይሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን' ዝብል ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ፡ ምኽንያት "በቲ ፍሉይ ሓይሊ ይፍጸሙ'ዮም ንዝበሃሉ ግህሰታት ምምሕዳራዊ ቢሮክራሲ እምበር እቲ መሓውር ኣይኮነን" ይብል። "ፍሉይ ሓይሊ ተኣዚዙ ዝኸይድ ሓይሊ'ዩ፤ ነዚ ዝመርሓ ክልላት ወይ ፖለቲካዊ ውድባት ነቲ ክልላውን ሃገራውን ሕገ መንግስቲ ተኸቲለን ዝመርሕኦ እንተኾይነን ዝፈጥሮ ጸገም የለን" ኢሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ብፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ኣወዳድባ ሓይልታት ጸጥታ ከም ዘሎ ዝዛረብ ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ፡ ልኡኽን ሓላፍነትን ፖሊስ ፍሉይ ሓይሊ ከምኡ'ውን እቶም ኣባላት ዝስልጥኑሉ ስነ ምግባርን ክልሰ ሓሳብን ግን ክኽለስ ኣለዎ ይብል። ንምዃኑ፡ ፖሊስ፡ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ዘለወሉ ስለ ምንታይ'ዩ ፍሉይ ሓይሊ ምጥያሽ ኣድላዪ ኮይኑ? ዝብል ሕቶ ኣልዒልና። ብርጋዴር ጀነራል ሃይሉ ጉንፋ፡ ልኡኽ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከባቢታት ዶብ ናይ ወጻኢ ጸላኢ ምክልኻል'ዩ ብምባል ልኡኽ ፍሉይ ፖሊስ ዝተወደቡ ሓይልታት ምምካት ከም ዝኾነ ይጠቕስ። "ፖሊስ መዓልታዊ ንኣሽቱ ዝኾኑ ቴክኒካዊ ስራሕቲ'ዩ ዝሰርሕ። ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበለት ዓባይ ሃገር ንዝኾነ ዝተወደበ ሓይሊ ንምድምሳስ ሰራዊት ምክልኻል ካብ ዶብ ምስሓብ ዘዋጽእ ኣይኮነን" ኢሉ። ኮሮናቫይረስ፡ ኮቪድ-19 ዘተኣጓጎሎ ምርጫን ዘይሃድአ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮቪድ-19 እንተ ዘይናዋሕ ነይሩ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ምተኻየደ ነይሩ። ገለ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ምንዋሕ እቲ ምርጫ ሕገመንግስታዊ ኣገባብ ዝተኸተለ ከምዘይኮነ ይገልጹ። ብፍላይ ድማ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህውሓት: ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ንሕገመንግስቲ ዝጠሓሰ እዩ ክብል ይምጉት። ነቲ ምንዋሕ ብምቅዋም ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰኖ መሰረት ከኣ ኣብ ጳጉሜ 4 ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ምዝገባ መረጽቲ ተሳሊጡ'ሎ። ብድሕሪ ምንዋሕ ምርጫ? ሂሩት ክፍሌ ንማእሰርቲ ጋሻ ኣይኮነትን። እዛ ጓል 50 ዓመት ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ - ኢዜማ - ቅድሚ ሕዚ ኣርባዕተ ግዜ ተኣሲራ ነይራ እያ። ኣብ ወርሒ ሓምለ'ውን ምስ ሞት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተኣሳሰር ጉዳይ ተጠርጢራ ን21 መዓልታተ ተኣሲራ ነይራ። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ: ብድሕሪ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተወለዐን ብውሑዱ ህይወት 170 ሰባት ዝጠፍኣሉን ጎንጺ 'ኢድኪ ሓዊስኪ' ብዝብል ኣብ ቀይዲ ውዒላ 21 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፋ። "ቀትሪ ሰዓት 6 እዩ ነይሩ። ኣብቲ ከባቢና ሪኢናዮም ዘይንፈልጥ ሰባት መጺኦም። ኩሉ ሰብ ተጠራጢሩ 'በዓል መን'ዮም?' ምስበለ ክርእይ ኢለ ወጺአ። ደሓር ግን ናብ ገዛይ ክምለስ ከለኹ ደድሕረይ ብምምጻእ 'ፖሊሳት ኢና፤ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንሕቶ ደልዩኪ ኣሎ' ኢሎምኒ" ትብል ሂሩት። ብድሕሪኡ ብሰለስተ ፖሊስ ተዓጂባ ከምእተወሰደት ብምዝኽኻር ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ምስ ጠበቓይ ይኹን ምስ ስድራይ ከይተራኸብኩ ብዘይ ቅያር ክዳን ንሰለስተ መዓልታት ጸኒሐ" ትብ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ምስኣተወት ሓደ ጊዜ ጥራይ ምርመራ ከምዝተገበረላ፤ ኣብቶም ናይ መጀመርታ መዓልታት ካብ ቤተሰባ መግቢ ክኣትው ይፍቀደላ ከምዘይነበረ፤ ምስ ጠበቐኣ ክትራኸብ ከምዘይከኣለትን ቅያር ክዳን ከምዘይሓዘትን ንቢቢሲ ተዛሪባ። ሂሩት: ኣብ ወርሒ ሰነ ካብ ዝተኣሰሩ ኣሽሓት ሰባት ሓንቲ ኮይና፤ ብዝተገበረ ምጽራይ ድማ ካብ ሞንጎ ዝተፈትሑ ክትከውን በቒዓ። ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ምስ ተናወሐ፤ ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋእ ንኽፍጠር ዕድል ዝህብ'ዩ ዝብል ተስፋ ካብ ዝነበሮም ሰባት ሓደ ኣብ ኔዘርላንድስ (ሆላንድ) ዝነብር ተንታኒ ፖሎቲካን ጸጥታን ኣደም ካሴ (ዶ/ር) እዩ። ኩነታት ግን ከም ትጽቢቶም ዘይምዃኑ ዝሕብር እቲ ተንታኒ ጸገማት ፖለቲካን ድሕንነትን ብተደጋጋሚ ጎሊሆም ክረኣዩ ምኽኣሎይ ይዛረብ። "ቀደሙ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ገምገም እያ ጸኒሓ። ምንዋሕ ምርጫ ድማ ንሓደሽቲ ተቓወምቲ ውድባት (ሰልፍታት) ሓድሽ መካትዒ ዕድል ብምፍጣሩ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ፖለቲካን ድሕነትን ብዝበለጸ ክካረር ገይርዎ" ክብል የረድእ ኣደም። ንሱ ምርጫ መዓዝ ይካየድ ኣብ ዝብል ንምውሳን ንፌደራል መንግስቲ ጥራይ ምሉእ መሰል ስለዝተወሃበ ነቲ ኩነታት ናብ ዝበኣሰ ወጥሪ ከምዘሰጋገሮ'ዩ ዝኣምን። ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝብልዎ፤ እቲ ቀንዲ ወጥሪ ኣብ ክልል ኦሮሞ እዩ ዘሎ። ኣብቲ ክልል ዓሌታውን ሃይማኖታውን ምትፍናን ኣሎ። ብዙሕ ንብረት ድማ ብሓዊ ተቓጺሉ'ዩ። ነዚ ስዒቡ ብዙሕ ሰብ ተኣሲሩ። ኣባላቶም ዝተኣሰርዎም ገለ ተቓወምቲ ውድባት፡ መንግስቲ ነቲ ዝነበረ ዕግርግር ኣሳቢቡ ሓይሎም ንምድኻም ከምዝተጠቐመሉ ይገልጹ። ሓላፊ ውድብ ፖለቲካ ፈደራል ኮንጌረስ ኦሮሞ - ኦፊኮ - ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና እቲ ሕዚ ዘሎ ኣካይዳ ንዝኾነ ኣካል ከርብሕ ከምዘይክእል ይዛረቡ።"እቲ ቀንዲ ነገር ኣብዛ ሃገር ፖለቲካዊ ምርግጋእ ምፍጣር እዩ ክኸውን ነይርዎ። እንተኾነ እቲ ሕዚ ዝኽየድ ዘሎ መንገዲ ንኹልና ዝጠቅም ኣይኮነን። ነቶም ሰባት ምእሳር ብመናእሰይ ኦሮሞ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣይመስለንን። ንተቓወምቲ ጨፍሊቕካ ንምሓዝ ዝተገበረ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓኒ" ይብሉ። ኣብ ስልጣን ንዘለዉ ኣካላት'ውን እዚ ርእይቶኦም ከምዘካፈሉ ዝሕብሩ ፕሮፌሰር መረራ፤ "ጸገምና ፖለቲካዊ እዩ። መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ግን 'ልዕልና ሕጊ' ዝብል እዩ። ጸገምና ጉዳይ ልዕልና ሕጊ ኣይነበረን። ብፍላይ ዴሞክራሲያዊ ስግግር ዕውት ንምግባር ዝነበረ ተስፋ ምፍሻሉ ዋጋ ክንኸፍል ይገብረና ኣሎ" ክብሉ የረድኡ። ዝተኣሰሩ ሰባት ንነዊሕ እዋን ክሲ ከይተመስረቶም ምጽንሑን ዓቀብቲ ሕጊ ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎም 'ተወሳኺ መዓልቲ ቆጸሮ ይወሃበና' ብዝብሉ ሕቶታትን መስርሕ ፍርዲ ብምንውሑ መንግስቲ ዝንቀፈሉ ጉዳይ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ሕቶ ዝቐረበሉ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ሴክሬታሪ ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ቢቢሲ ብጽሑፍ ኣብ ዝለኣኾ መልሲ፤ 'እቲ ዝበጽሐ ዕንወት ስፍሓትን ዕምቆትን ስለዘለዎ' ንምጽራይ ግዜ ከምዝወስድ ሓቢሩ'ሎ። "ሕጊ ኣብ ምኽባር ዝሰርሑ ትካላትና ብልዑል ጻዕሪን ትግሃትን ነቲ መስርሕ ምጽራይ እናዛዘሙ እዮም" ዝብል እቲ ቤት ጽሕፈት፤ ኣብ ልዕሊ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ክካየድ ዝጸንሐ ምርመራ ተዛዚሙ መስርሕ መጋባእያ ቅድመ-ክሲ ከምዝተጀመረ ገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን እውን ካብ ፖለቲካዊ ወጥርታት ዝተናገፈት ኣይትመስልን። ቅድሚ ክልተ ሰሙናት'ኳ ኣብቲ ክልል ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተራእዮም'ዮም። ብምኽንያት እቲ ዝተወለዐ ጎንጺ ከኣ ሰባት ተቐቲሎምን ንኣካላዊ መጉዳእቲ ተቓሊዖምን። ንዝተጠርጠረትሉ ገበን ከምዘይትቕበል እትዛረብ ኣደ ሰለስተ ቖልዑት ሂሩት ክፍሌ ብተደጋጋሚ እትእሰረሎም ምኽንያታት ምስ ፖለቲካዊ መርገጺኣ ዝተሓሓዙ ከምዝኾኑ ትኣምን። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስመጽአ ወግዓዊ ንዝተገበሩ መመሓየሺ ስጉምቲታት ምስረኣየት፤ 'ካብ ሎሚ ማእሰርቲ የለን' ክትብል ሓሲባ ምንባራ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን "ብዙሕ ርግጸኛ ኣይኮንኩን" ክትብል ስክፍትኣ ገሊጻ። ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ፍሉጥ ድምጻዊ ኣሊ ቢራ "ይሕሸኒ ኣሎ" ኢሉ ወዲ 73 ዓመት ኣርቲስት ኣሊ ቢራ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ኣዳማን ኣብ ዝርከቡ ሆስፒታላት ክሕከም ቀንዩ። "ብጣዕሚ ሓሚመን ነይረ። ሕጂ ግን ሒሹኒ'ዩ። ኣብዚ ሕጂ ዘለኹሉ ሆስፒታል ሓካይም ክትትል ይገብሩለይ ስለ ዘለው ፈጣሪ ይመስገን ድሓን'የ" ኢሉ። ኣሊ ቢራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት ይግበረሉ ዘሎ ኮይኑ ቅድም ኢሉ ሕማም ልብን ሽኮርን ከም ዝነበሮ ይዛረብ። ገለ ውልቀሰባት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዛዕብኡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርግሑ ከም ዝቐነዩን በዚ ከም ዝሰንበደን ዝገልጽ ኣርቲስት ኣሊ ቢራ፡ ሰባት ብዛዕባ ዝኾነ ነገር ሓቕነቱ ከየረጋገጹ ካብ ምጽሓፍ ክቑጠቡ ሓቲቱ። በዓልቲ ቤቱ ሊሊ በዚ ከም ዝሓረቐትን ሰባት ካብ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራትን ክቑጠቡን ተማሕጺና። ኣሊ ቢራ ናብ ዝሕከሞ ሆስፒታል ብምኻድ ዘዘራረቦ ሪፖርተር ቢቢሲ፡ "ኣሊ ቢራ ዋላ'ኳ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል እንተሃለወ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና'ዩ ዝርከብ" ኢሉ። እቲ ኣርቲስት ብሞት ፍሉጥ ስነ ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስምዒቱ ተጎዲኡ ከም ዝነበረ ዝገለጸ ኮይኑ፡ "ሞት እቲ ቖልዓ ኣዝዩ ጎዲኡኒ'ዩ . . ." ብማለት ዘረብኡ ከይወድአ ናብ ብኽያት ኣትዩ። ሰብ ሞያ ኮሌጅ ጥዕና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣዳማ ጽቡቕ ክንክን ይገብርሉ ከም ዘለው ገሊጹ። ኣሊ ቢራ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ስራሕቲ ሙዚቃ ጸላዊ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ንዕብየት ቋንቋ ኦሮሞ'ውን ዓብዪ እጃም ኣበርኪቱ። ብማለት ዘረብኡ ከይወድአ ናብ ብኽያት ኣትዩ። ሰብ ሞያ ኮሌጅ ጥዕና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣዳማ ጽቡቕ ክንክን ይገብርሉ ከም ዘለው ገሊጹ። ኣሊ ቢራ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ስራሕቲ ሙዚቃ ጸላዊ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ንዕብየት ቋንቋ ኦሮሞ'ውን ዓብዪ እጃም ኣበርኪቱ። ንቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ፡ ኣብ ዝተወለዐ ናዕቢ ልዕሊ 166 ሰባት ተቐቲሎም ድሕሪ ሞት ስሙይ ሙዚቀኛ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተላዕለ ናዕብን ተቓውሞታትን 166 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ፖሊስ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ሃጫሉ፡ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገላን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ድሕሪ ምቕታሉ፡ 145 ስቪላትን 11 ኣባላት ጸጥታን ከምዝተቐተሉ፡ ፖሊስ ኦሮሚያ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምግላጹ ጠቒሱ ዘጋርድያን ጸብጺቡ’ሎ። ፖሊስ ከምዝበሎ፡ ኣስታት 167 ሰባት ድማ ከቢድ መጉዳእቲ ኣጋጢሙዎም እዩ ኢሉ። ምስቲ ናዕብን ተቓውሞታትን ብዝተኣሳሰር 1084 ሰባት ከምዝተኣሰሩ’ውን ፖሊስ ኣፍሊጡ። ሰብመዚ ከምዝብልዎ፡ መንቀሊ ሞት ናይዞም ሰባት ብሓይልተት ጸጥታ ብዝተተኮሰ ጥይትን ከምኡ ድማ ኣብ ብመንጎ ብሄራት ብዘጋጠመ ጎንጽን እዩ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ናይ ሾሞንተ ስቪላውያንን ክልተ ኣባላት ጸጥታን ህይወት ከምዝሓለፈ ፖሊስ ናይታ ከተማ ምግላጹ ይፍለጥ። ኮሞሽነር ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ኣብ’ዚ ሰሙን ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ህይወት ናይቶም ነበርቲ ብቦምባ፣ ጥይት እምንን ካልእን ምዃኑ ጠቒሱ ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣስታት 57 ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ኣባላት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ጉድኣት በጺሕዎም እዩ። ናይ መንግስትን ናይ ውልቀን ዝኾና 250 ተሸከርከርቲ ድማ ተሰይረን። 20 ተሽከርከርቲ ድማ ተባሪዐን ኢሉ። ፖሊስ ፌዴራል፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ውሽጢ መኪና ከምዝተቐትለ ገሊጹ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፡ እንደሻው ጣሰው፡ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ካብ መኪና ወሪዱ ምስተመልሰ፡ እቶም ጥርጡራት ናይ መኪና ማዕጾ ከፊቶም ከምዝቐተልዎ ገሊጹ። እቲ ኮሚሽነር፡ በቲ ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ከምዘለዉን፡ ክትትል ዝግበረሎም ካልኦት ድማ ከምዘለዉን ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ተዛሪቡ። ኣብቲ እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ከባቢ ቀጻሊ ምጽራይ ንምክያድ፡ ፖሊስ ፌዴራልን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለው'ውን ጠቒሱ። ኣብ ሓፂር ጊዜ ንሕብረተሰብ ሓበሬታ ከምዝገልጹ'ውን እቲ ሓላፊ ፖሊስ ገሊጹ'ሎ። "ኣፈጻጽማ እቲ ገበን ዝተራቐቐን፡ ትዕግስቲ ዝሓትትን እዩ" ዝበለ'ቲ ኮሚሽነር፡ በቲ ተግባር ዝተቖጥዑ መናእሰይ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገር ናይ ንጹሃን ዜጋታት ንብረት የዕንው ኣለዉ ክብል ድማ ከሲሱ። ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ኤርትራ፡ 'ስማዊ' ጉድኣት ጥራይ'ዩ ኣውሪዱ ክብሉ፡ ሰብመዚ ተዛሪቦም ኤርትራ ብወራር ኣንበጣ ዝወረደ ጉድኣት ምስቲ ብደረጃ ሃገር ዝለምዐ ዘራእቲ ክነጻጸር እንከሎ፡ 'ኣዝዩ ስማዊ ምዃኑ' ተገሊጹ። ካብ ኢትዮጵያ ዝሰግር ወራር ኣንበጣ ዳርጋ ኣብ ኩሎም ዞባታት እታ ሃገር ከም ዝተርኣየን፡ ንምቁጽጻሩ ሓያል ስራሕ ይስራሕ ብምህላው ዝወረደ ጉድኣት ከም ዘየሎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ምግላጹ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ገሊጸን። ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ቀጻሊ ወራራት ኣንበጣ ካብ ኢትዮጵያ ይኣትው ከም ዘሎን እቲ መኸተ ኣብ መላእ ሃገር ይቕጽል ምህላውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ዛጊት ልዕሊ 30 ሽሕ ሄክታር በቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰገረን፡ ኣብታ ሃገር ዝጸፈየን ኣንበጣ ዝተወረረ መሬት፡ መድሃኒት ከም ዝተነጸጎን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዝኣተወን ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ኣሃዱ ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም፡ ንኣገልግሎት ቴለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። "ዝመጸና ወራር ኣዝዩ ከቢድ እዩ፤ ብቐትሪ ጸልማት ክፈጥር ዝኽእል ኣዝዩ ከበድቲ ዕሰለታት እዩ ዝመጽእ ዘሎ" ብምባል፡ ነዚ ንምብዳህ ከቢድ ስራሓት ይካየድ ምህላው፡ ኣቶ ቴድሮስ ተዛሪቡ። ናይ መጀመርታ ዕስለ ኣንበጣ ጥቅምቲ 15 ብከባቢ ሰንዓፈ ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝሰገረ ዝገልጽ፡ ኣብ ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ደቡብ ሓላፊ ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ቡቕሊ ኣቶ ሓጎስ ሃይለ ብወገኑ፡ ኪንዮ እቲ ንምክልኻል ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ህዝቢ ኣቐዲሙ እኽሉ ክእክብ ተሓቢርዎ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ጉድኣት ንእሽቶ ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣቶ ሓጎስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ዞባ ካብቲ ዝተዘርአ ሓደጋ ዝበጽሖ ዘራእቲ ብሚእታዊ ክረአ እንከሎ፡ ትሕቲ 0.38% እዩ ብምባል ሒደት ምዃኑ ገሊጹ። ሓላፊ ቡቕሊ ዞባ ማእከል ኣቶ ኣስራት ሃይለ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝተዘርአ 29 ሽሕ ሄክታር ኣብ 6320 ሄክታር ብኣንበጣ ተወሪሩ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ጉድኣት ዝበጽሖ ትሕቲ 5 ሄክታር ምዃኑ ንኤሪቲቪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ። ኣብቲ ናይ ምክልኻል ስራሓት፡ ኣባላት ሰራዊት፡ ሞያውያን ሕርሻ፡ ህዝብን ምምሕዳራትን ብምውህሃድ ይዕመም ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ዘራእትን መገሃጫን ከቢድ ጉድኣት ብምውራዱ፡ ውሕስነት መግቢ ሓደጋ ከምዘንጸላለዎ ሕቡራት ሃገራት ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ። ህቦብላ ማትሲራይ፡ ኣብ ማዳጋስካር ዓድታት ብውሑጅ ተወሲደን ብቐዳም ኣጋ-ምሸት ህቦብላ ባቲሲራይ ኣብ ማዳጋስካር ብዘስዓቦ ሓያል ንፋስን ዝናብን ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም፤ ኣስታት 10 ሰባት ድማ ሞይቶም። እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ዘጋጥም ዘሎ ህቦብላ ባቲሲራይ ኣብ ሰዓት 135 ኪሎ ሜትሮ ይጉዓዝ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገምገም ባሕሪ ምንሽርታት መሬት ብምስዓብ ነተን ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝርከባ ከባቢታት ብሓያል ማዕበል ሃሪሙወን። ብሰንኪ እዚ እተን ዓድታት ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝዓነዋ ተገሊጹ። ማዳጋስካር፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብትሮፖካዊ ማዕበል ኣና ክትጥቃዕ እንከላ 55 ሰባት ሞይቶም እዮም። እቲ ካብ ርእሰ ከተማ ኣንታናናሪቮ 530 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ደቡብ ምቕራብ ማናንጃሪ ዘጥቅዐ ህቦብላ ባቲሲራይ ኣገልግሎት መብራህትን ማይን ክቋረጽ ክገብር እንከሎ፡ ሓደ ነባሪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብያተ ትምህርትን ቤተ ክርስቲያናትን መጽንሒ ተመዛበልቲ ክኾና ከም ዝተገብረ ተዛሪቡ። ኣብ ካልኦት ቦታታት ኸኣ እቲ ዕንወት ሙሉእ ንሙሉእ ዝስዓበ ነይሩ። "ዳርጋ ብቦንባ ዝዓነወ'ዩ ዝመስል፤ ከተማ ኖዚ ባሪካ ዳርጋ 95 ሚኢታዊት ዓንያ እያ። ዚንጎታት መንበሪ ኣባይቲ ብንፋስ ተንበቂሩ ተወሲዱ። እቶም ካብ ዕንጨይቲ ዝተሰርሑ ኣባይቲ ድማ መብዛሕትኦም ዓንዮም" ክብል ኣማኻሪ ምኽትል ፕሬዝደንት ሰኔት ማዳጋስካር ዊሊ ራሃሪጆና ንሮይተርስ ተዛሪቡ። ሚኒስትሪ ከባቢ ማዳጋስካር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ብዙሓት ዓድታት ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ በቲ ማዕበል ከም ዝዓነዋ ሓቢሩ። ከም ሓበሬታ ኤጀንሲ ምክልኻል ሓደጋ ኣስታት 48 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣለው። ፕሮግራም መግቢ ዓለም'ውን 150 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪ ቦትኦም ክወጽኡ ክግደዱ ከም ዝኽእሉ ኣፍሊጡ። እዚ ህቦብላ፡ ካብቲ ማዕበል ኣና ንላዕሊ ኣዕናዊ ከይኸውን ሰብ ሞያ ይሰግኡ። እቲ ማዕበል ንሃገራት ሞዛምቢክ፣ ማላዊን ዙምባብወን ከም ዘጥቅዐን ይፍለጥ። ተርእዮ እዞም ኣዕነውቲ ህቦብላታት ብሰንኪ ዓለማዊ ዋዕን ክሊማዊ ለውጥን ዝስዓበ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብቲ ዞባ፡ ኣብ ሕርሻዊ እቶት ጉድኣት ከም ዘውረደን ዋጋ መግብታት ከም ዝወሰኸን ከምኡ'ውን ጸገም ውሕስነት መግቢ ከም ዘስዓበን ሓቢሩ። "ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንብዙሕ ዓመታት ብኸቢድ ክሊማዊ ለውጢ ተጠቓዒ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ፤ እቶም በዚ ዝሓልፉ ማዕበላት ኸኣ ነቲ ዝመጽአ ለውጢ እናጎተቱ ንድሕሪት ኣትሪፎምዎ'ዮም" ክትብል ላዕለወይቲ ሓላፊት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ማርጋሬት ማሉ ተዛሪባ። ሰብ ሞያ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ዘሎ ሕሉፍ ኩነታት ኣየር ከም ህቦብላ ዝበሉ ተርእዮታት ብተደጋጋሚ ክኽሰቱ ከም ዝኽእሉ የጠንቅቑ። ማዳጋስካር ብሓያል ደርቂ ተጠቒዓ ምጽንሓ ይዝከር። ሚኒስትሪ ከባቢ እታ ሃገር ንቢቢሲ ከም ዝበሎ እታ ሃገር ኣብ ዋዕላ ኮፕ26 ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጢ ንክትከላኸል ዓመታዊ ሓደ ቢሊዮን ዶላር ከም ዘድልያ ኣቕሪባ እያ ኢሉ። ንቘልዑ 'ጽቡቓት' እንተበልናዮም ጸገም ኣለዎ ድዩ? ነዚ ተርእዮ ኣብ ኣእምሮኹም ስኣሉ። ሓንቲ ንእሽቶ ጓል ዘብለጭልጭ ክዳን ለቢሳ፡ ብዕግበት ሕምብሊል ትብል። ክከታተልዋ ዝጸንሑ ወለዳ'ውን ጽብቕቲ ምዃና ይነግርዋ። ጸኒሓ ኣብቶም ትፈትዎም ፊልምታት፡ ቀጠንቲ ሰባትን እንስሳታትን ብዘስደምም ኣገባብ፣ እቶም ረጐድቲ መዛኑኦም ግን ክድንጉዩ ወይ ዕንክይክይ ክብሉ ትርኢ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ወለዳ ብዛዕባ ክብደቶም ወይ መልክዖም ክጭነቝ ትዕዘብ። መንእሰይ ኣብ እትዀነሉ እዋን፡ ወለዳ፡ ምስሊ ኣካላታ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይጽሎ ኣሎ ኢሎም ይጭነቑ። ኣብ ክውንነት ግን፡ ኣብ ኣካላታ ዘለዋ ኣረኣእያን ማሕበራዊ ተቐባልነትን ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ኣብ ንእስነታ ዝተቐርጸ ክኸውን ከምዝኽእል መጽናዕትታት ይሕብሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣካላዊ ዕግበትና ወይ ዘይዕግበትና መንቀሊኡ እንታይ ከምዝዀነ ብልክዕ ምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። ኣእምሮና ናብ ንእስነትና እንተመሊስናዮ ግን፡ ዘይሓሰብናሎም እኩብ ርእይቶታት ወይ ትዕዝብቲ ክንዝክር ንኽእል ኢና። ካብቶም ርእይቶታት ሓደ ንበይኑ’ኳ እንተዘይኰነ ውህሉል ጽልዋኦም ግን ብዘገርም መልክዑ ሓያል ክኸውን ይኽእል። ኣሜሪካዊት ደራሲት ግሌኖን ዶይል፡ ቈልዓ ከላ ካብ ዓበይቲ ሰባት ናእዳ ትረክብ ከም ዝነበረት ክሳብ ሕጂ ትዝክር። "ኣብ ገጾም ይርእዮ ነይረ... ስለዚ ተረዲኡኒ፡ እዚ ቅርሺ'ዩ" ትብል። ምስ ዓበየትን ጽባቐኣ ከም ዝቐነሰ ምስ ተሓሰበትን ግን እቲ ናእዳ ተሪፉስ ዳርጋ ዓለም ካብኣ ዝረሓቐት ኰይኑ ተሰሚዕዋ። ስድራቤት ብዛዕባ ክብደት ሰብነት ዝህቦ ጐዳኢ ርእይቶን ሓሳብን ምስ ጥዕና ኣእምሮን ኣመጋግባን ዝተኣሳሰሩ ጸገማት ከስዕብ ከምዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ረጐድቲ ህጻናት ዝግበር ሰፊሕ ጸለመ ንርእሰ-ክብሮምን ንምስሊ ኣካላቶምን ዝጸሉ እዩ። እዚ ገና ብኣጋኡ ዝጅምር ንቕሓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ህጻናት ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ርእሰ-ምትእምማን ንኽስምዖምን ንኻልኦት'ውን ንክሕግዙን፡ ወለድን ኣለይቲን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ? ሰባት ዝብህግዎ ኣካላዊ ቅርጺ ከም ግዜኡን ከከም ባህሉን ኣዝዩ ይፈላለ'ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንዅሉ ዓይነት ቅርጺ ኣካል ዝቕበል ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ይሰፍሕ ኣሎ። እንተዀነ፡ ቀጢን ኣካል ምቹእ’ዩ ዝብል ሓሳብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መራኸቢ ብዙሃን፡ ፊልምን ካልኦትን ሕጂ’ውን ዓብላሊ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብዛዕባ ተደላዪ ኣካል ዝህልወና ብኣጋኡ ዝጅምር ንቕሓት፡ ህጻናት ኣብ ከባቢኦም ዘለዎም ተመኵሮ ዓለም ዘንጸባርቕ እዩ። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ፡ ንመን ከላግጹን ንመን ናብ ጽንብል ዕለተ ልደቶም ክዕድሙን ከምዝኽእሉ ዝተሓተቱ ህጻናት፡ ኣብቶም ረጐድቲ ዝዀኑ ኣሉታዊ ዝንባለ ኣርእዮም። እዚ ወገናውነት ብኻልኦት ዝተጸልወ እዩ። ንኣብነት ኣደታቶም ብዛዕባ ቅርጺ ኣካላት ዘለወን ኣተሓሳስባን እምነትን ነቲ ውጽኢት ጸልይዎ እዩ። እቶም ብዕድመ ዝዓበዩ ህጻናት ካብቶም ንኣሽቱ ዝሓየለ ውግንና'ውን ኣርእዮም እዮም። እዚ ድማ ውግንና ዝተመሃርዎ እምበር ብተፈጥሮ ዝረኸብዎ ከምዘይኰነ የመልክት። እቶም ርኽበታት "ማሕበራዊ ሃዋህው ህጻናት ኣብ ምዕባለ ኣሉታውን ኣወንታውን ኣተሓሳስባ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብሩ" ክብሉ እቶም ተመራመርቲ ይድምድሙ። ኣብ ደቆም ጽልዋ ዘሕድሩ ወለዲ ጥራይ ኣይኰኑን። ንኣሽቱ ህጻናት፡ ኣብ ከባቢኦም ካብ ዝርእይዎን ዝሰምዕዎን ብዙሕ ኣተሓሳስባ ከምዝወስዱ እቶም መጽናዕትታት የመልክቱ። ዘይውሕስነት ገዛእ ርእሶም፡ ንደቆም ክጸሉ ከም ዝኽእል ዝፈለጡ ብዙሓት ወለዲ ክስንብዱ ይኽእሉ። ገለ ስድራቤት ግን ነዚ ጽልዋ እዚ ብጐዳኢ ርእይቶታት የጋድድዎ እዮም። ኣደታት ብዛዕባ ክብደትን ዓቐንን ኣካላት ዝህባኦ ርእይቶ፡ ኣብ ደቀን ስርዓት ኣልቦ ባህሪ ኣመጋግባ ከስዕብ ከምዝኽእል ኣብ ህጻናት ዝተገብረ ሓደ መጽናዕቲ የረጋግጽ። ኣደታተንን ኣቦታተንን ቀጠንቲ ክዀና ዘተባብዓወን ኣዋልድ፡ ኣብ ረጐድቲ ሰባት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ናይ ምምዕባል ተኽእሎአን ዝለዓለ'ዩ። እዚ ድማ ምስ ክብደት ሰብነት ዝተኣሳሰር ጸለመን ጸርፊን እናወሰኸ ንክኸይድ ከተባብዕ ይኽእል’ዩ። ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፋ ገና ኣብ ግዜ ንእስነተን ዘጋጥመን ጸለመ ክብደት ክስምዐን ይኽእል። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ፡ ዕድመአን ካብ 40ታት ክሳብ 60ታት ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ብሰንኪ ክብደተን ብስድራቤተን ክሓፍራ ከምዝተገበራን ክሳብ ሕጂ ዓሚቝ ጓሂ ከምዝስምዐንን ገሊጸን። ኣብ ኖርዝኢስተርን ዩኒቨርሲቲ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ራሄል ሮጀርስ፡ ሓደ ወላዲ ብዛዕባ ምስሊ ኣካላት ገዛእ ርእሱ ክግደስ እንከሎ፡ ንደቁ ሞዴል ይኸውን ከምዘሎ ትዛረብ። "ዋላ'ውን ኣካላዊ መልክዕ እቲ ህጻን እንተዘይጠቐሱ፡ ነቲ ቘልዓ ግን 'እዚ ዘጨንቐኒ ነገር'ዩ' ዝብል ሓሳብ የርእዩ እዮም ዘለዉ። ስለዚ ድማ ህጻናት ነቲ ሓሳብ ይወስዱ።" ብዙሓት ወለዲ፡ ብዛዕባ ኣመጋግባ፡ ኣከዳድናን መልክዕን ቈልዑ ጽቡቕ ርእይቶ ክህቡ ይፍትኑ እዮም። ይዅን እምበር ዋላ ጽቡቕ ርእይቶ'ውን፡ ህጻናት ዝያዳ ኣብ መልክዕን ክብደትን ንኸተኵሩ ከተባብዕ ከምዝኽእል ሮጀርስ ትሕብር። ርግጽ እዩ፡ ኣካላዊ ጸለመ ዝፈጥሩ ወለዲ ጥራይ ኣይኰኑን። መዛኑኦም፡ መራኸቢ ብዙሃንን፡ ከም ኣሻንጉሊት ዝኣመሰሉ መጻወቲታት ከይተረፉ ጽልዋ ኣለዎም። ፊልምን ቪድዮታት ሙዚቃን ምርኣይ ንኣዋልድ፡ ዝያዳ ኣብ መልክዐን ከተኲራ ክገብረን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ይሕብሩ። ኣዕሩኽ ብዛዕባ ክብደትን መልክዕን ዝዛረብዎ እውን ነቲ ጽልዋ ክዕቢ ይኽእል እዩ። ገለ ፍታሕ እንተዘይረኺቦም ድማ፡ እዞም ጽልዋታት እዚኣቶም ነንሕድሕዶም ክደጋገፉ ይኽእሉ እዮም። ዓይነት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንጥፈትን እውን ጽልዋ ኣለዎም። ኢንስታግራምን ስናፕቻትን ካብ ፌስቡክ ንላዕሊ ምስ ምስሊ ኣካላት ዝያዳ ኣሉታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎም ኣብ 2022 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይገልጽ። 'ሰልፊ' ስእሊ፣ ምትዕርራይ ኣሳእል ዝያዳ ጐዳኢ ይኸውን ከም ዘሎ እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ’ዩ። ምቕጣን፡ ኣመጋግባን ብቕዓት ኣካልን ዘተባብዑ ትሕዝቶታት፡ መንእሰያት ምስ ካልኦት ኣሉታዊ ርእሰ-ምንጽጻር ከካይዱ ስለዝደፋፍኦም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎም። ምንቅስቓስ ኣካላት ዘተባብዑ ትሕዝቶታት ምርኣይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ምውስዋስ ኣካላት ይውስኽ እዩ። ጐድኒ ጐድኒ'ውን ብዛዕባ ምቕጣን ዘሎ ኣተሓሳስባ ክጸሉ ከምዝኽእል ኣብ 2019 ዝተገብረ መጽናዕቲ ይሕብር። ብፍላይ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ደቂ ኣንስትዮ ዓቢ ለውጢ እንተዘይርእየን ተስፋ ክቘርጻን ብኣካላተን ዘይዕግበት ክስምዐንን ይኽእል። ኣብ ግዜ ንእስነት ዝረአ ኣሉታዊ ምስሊ ኣካላት'ውን ክሳብ ግርዝውና ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዓበይቲ ሰባት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ 93 ሚእታዊ ካብቶም ብኣጋኡ ዘይዕግበት ኣካላት ዘማዕበሉ ሰባት፡ ኣብ ግዜ ግርዝውና እቲ ስምዒት ከም ዝገደደ ገሊጾም። ንርእስና ንህቦ ዋጋ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ኣካላዊ ርእሰ-ኣረኣእያና ዝተኣሳሰር ስለዝዀነ ኣሉታዊ ምስሊ ኣካላት ንርእስና ትሑት ዋጋ ክንህብ ክገብረና ይኽእል። እዚ ብፍላይ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ይረአ። ኣሉታዊ ምስሊ ኣካላት ዘማዕበላ ኣዋልድ፡ ጸገማትን ጭንቀትን ኣመጋግባ ክህልወን ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል። ኣዋልድ መብዛሕትኡ ግዜ ብስክፍታታት ምስሊ ኣካላት ዝያዳ ዝጽለዋ ይመስላ። እዚ ብኸፊል ብዛዕባ ኣዋልድ ዝያዳ መጽናዕቲ ስለዘሎን ኣካል ጓለንስተይቲ ምስ ጾታዊ ርክብ ክተኣሳሰር ስለዝተገበረ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት፡ ዋላ'ኳ ድልየቶም ቅሩብ ዝተፈልየ እንተዀነ፡ ኣብ ኣወዳት’ውን ተመሳሳሊ ደረጃ ዘይዕግበት ከምዘሎ ይሕብሩ። ንኣብነት፡ ተሪር ጭዋዳ ንኽህልዎም ዝያዳ ትዅረት ክገብሩ ይኽእሉ። ኵሉ ሰብ ዘይዕግበት ኣካላት ከጋጥሞ ከምዝኽእል ስቴፋኒ ዳሚያኖ ትገልጽ። ብሓፈሻ፡ ካብ ኣወዳት ንላዕሊ ኣብ ኣዋልድ ዝያዳ ጽልዋታት ይረኣዩ። ይኵን እምበር፡ ኣወዳት ነቶም ጽልዋታት ዝተቓልዑ ኣይኮኑን ማለት ኣይኮነን። እቲ ጽልዋ ኣብ ኣዋልድ ዝሓየለሉ ምኽንያት፡ ካብ ንእስነቶም ጀሚሩ፡ ኣዋልድን ኣወዳትን ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ርክብ ስለዘለዎም ክኸውን ይኽእል። ኣዋልድ መብዛሕትኡ ግዜ ማሕበራዊ ክብረን ክሳብ ክንደይ ሰሓብቲ ኣብ ምዃነን ከም ዝምርኮስ ይንገረን እዩ፡ ትብል ሮጀርስ። ኣዋልድ፡ "ኣካላተን ንኽረአ ከምዝተፈጠረ፡ ጥንቍቓት፡ ተኣዘዝቲን ብዙሕ ቦታ ዘይወስዳን ክዀና ከም ዘለወን" ክንገረን ከሎ "ኣወዳት፡ ኣካላቶም ንጡፍን ሓያላት ምዃኖም ይርድኡ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዝተፈልየ መልእኽቲ'ዩ።" ወለዲ ነዞም ጽልዋታት ንምምካት ከምኡ’ውን ዝያዳ ኣወንታውን ሓይሊ ዝህብን ምስሊ ኣካላትን ንምሕብሓብ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ? "ወለዲ ወይ መምህራን ዋላ'ውን ኣወንታዊ እንተዀነ ብዛዕባ ምስሊ ኣካላት ርእይቶ ከይህቡ ነተባባዕ" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላ ትሮብ መምህር ስነ-ልቦና ዝዀነትን ኣብ ዘይዕግበት ኣካላት ዝነጥፍ ፍሉይ ሞያ ዘለዋን ስያን ማክሊን። ወለዲ ብዛዕባ ክብደት ሰብነት ካብ ምዝራብ ወይ ህጻናት ጥዕና ዘለዎ መግቢ ንኽበልዑ ብቐጻሊ ካብ ምሕባር ክቝጠቡ ትመክር - ዳሚያኖ። "ርጉዲ ሰብነት ጸገም ኣብ ምዃኑ፡ ወይ ገለ መግብታት 'ሕማቕ' ኣብ ምዃኑ ዝያዳ እንተ ኣተኵርና፡ ህጻናት ዝያዳ በደል፡ ሕፍረትን ዘይዕግበት ኣካላትን ክስምዖም ተኽእሎ ኣሎ።" ወለዲ፡ ንደቆም ከመይ ክብደት ሰብነት ከምዝቕንሱ ዘይኰነስ ምንቅስቓስ ኣካላት ንሓፈሻዊ ጥዕናን ጽቡቕ ሂወትን ኣገዳሲ ምዃኑ ክነግርዎም ይኽእሉ። ስድራቤታት፡ ዝዀኑ መግብታት ሕማቕ ምዃኖም ብግልጺ ካብ ምዝራብ፡ ጥዕና ዘለዎ ስርዓት ኣመጋግባ ንቡር ክኸውን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ህጻናት፡ ጥዕና ዘለዎ መግቢ ዘርእዩ ናይ ምብሳል መደባት ቲቪ ክርእዩ ምግባር፡ ብዝረቐቐ መንገዲ ከተባብዖም ይኽእል። ስድራቤታዊ ርክብ’ውን ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ይኽእል። ኣብ መንጐ ኣደታትን ደቀንን ዝህሉ ጽቡቕ ርክብ፡ ነቲ ጽልዋ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቕንሶ ይኽእል። ህጻናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘሕልፍዎ ግዜ ምድራት’ውን "ውድድር መልክዕ" ክቐንስን ጥዕና ኣእምሮ ክመሓየሽን ክገብር ከምዝኽእል መጽናዕትታት የመልክቱ። ብርግጽ፡ ኵሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሕማቕ ኣይኰነን፤ ፍልፍል ማሕበረሰብን ምትብባዕን'ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ። ወለዲ ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ምትሕብባር ጠቓሚ ኰይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ምህናጽ ርእሰ-ምትእምማን ዘተኰሩ መደባት እውን፡ ወለዲ ኣብ ዙርያ ክብደትን ኣካላትን ዘለዎም ናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ንኽምርምሩ፡ ከምኡ’ውን ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ጐዳኢን እምነታት ንኽድርብዩ ክሕግዞም ይኽእል። ኣብ ገዛና ድማ ኣክንዲ መልክዕ ሓደ ቈልዓ ምውዳስ፡ ብዛዕባኡ ካልእ እንፈትዎን ንሱ ክፈልጦ ንደልዮን ነገር ንሕሰብ። "ቀምሽኪ ኣዝየ ፈትየዮ” ኣብ ክንዲ ምባል ፍሽኽ ኢልና ስለዝረኸብናዮም ወይ ብሓባር ግዜ ስለዘሕለፍና ከምዝተሓጐስና እንተነገርናዮም ዝሓሸ ይኸውን። ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሕ ሕቶታት ዘይመለሰ ንምንጪ ቪድ-19 ዝምልከት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ንመላእ ዓለም ኣብ ከቢድ ወጥሪ ሸሚሙ ህይወት ልዕሊ 2.8 ሚልዮን ሰባት ቐዚፉ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ካበይ እዩ ተበጊሱ ዝብል ሕቶ ጌና ምላሽ ከይረኸበ ፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ንምንጪ እቲ ቫይረስ ንምጽራይ ናብታ እቲ ቫይረስ ፈለማ ዝተራእየላ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ዝሰደዶ ጉጅለ ተመራመርቲ ብሰሉስ ውጽኢት መጽናዕቱ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ኣፈናዊ ጸብጻብ ምስ ቻይናውያን ተመራመርቲ ብሓባር ዝተዳለወ ክኸውን እንከሎ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ምዕራብ ዕቃበታተን ገሊጸን ኣለዋ። ኣብ ውሃን ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሮቢን ብራትን እቲ ጸብጻብ ጌና ብዙሕ ሕቶታት ከም ዘይመለሰ እዩ ዝገልጽ። እቲ ብተመራመርቲ ውድብ ጥዕና ዓለምን ቻይናን ብሓባር ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ንምንጪ ኮቪድ-19 ኣመልኪቱ ኣርባዕተ ተኽእሎታት እዩ ኣቐሚጡ። እቲ 120 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ዘነጸሮ ሓደ ነገር እንተሎ፡ ጉጅለ ተመራመርቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ንጹር ስእሊ ናይተን እቲ ቫይረስ ኣብ ውሃን ዝተራእየለን፡ ቅድሚ ታሕሳስ 2019 ዝነበራ ኣገደስቲ ዝበሃላ ቀዳሞት ሳምንታትን ኣዋርሕን ኣይረኸቡን ኣለው። ኣብታ ከተማ ካብ ለገስቲ ደም ዝተኣከበ ቅምሶታት ናይ ደምን ናይ ኣፍንጫ ፈሳስን ክርእዩ ኣይከኣሉን። ብዘይካ'ዚ ካብቲ እቲ ቫይረስ ፈለማ ብብዝሒ ዝተረኽበሉ ዕዳጋ ሁናን ዝተኣከበ ናብ በረድ ዝተቐየረ መግቢ'ውን ኣይረኸቡን። ቁጽሪ ከም ሰዓል ብዝኣመሰሉ ሕማማት ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ከሎ፡ ምልክታት ናይ ኮቪድ-19 ከይህሉ ደጊምካ ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ጉጅለ ተመራመርቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ከም ዝሕብሮ፡ ቅድሚ እቲ ለበዳ ኣብ ዝነበረ ሳምንታት: ኣዋርሕን ዓመታትን ንዝተኣከበ ቅምሶታት ክምርምሩ ዘይምኽኣሎም ኣብ ውጽኢት እቲ ዝገብርዎ መርመራ ዝፈጠሮ ሓጓፍ ቀሊል ኣይኮነን። ሰብ መዚ ማእከል ደም ውሃን መብርሂታት እኳ እንተሃቡ፡ ቅምሶ ግና ንመርመራ ኣየቕረቡን። ኣብ መውዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ 2019 ካብ ለገስቲ ደም ኣብ ዝተኣከበ ናይ ደም ቅምሶታት፡ ናይ ጸረ ኣካላት ማለት ኣንቲቦዲ መርመራ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ እቲ ጉጅለ ተመራመርቲ ይመክር። ኣብ መወዳእታ ሰለስተ ሳምንታት ናይ ወርሒ ታሕሳስ፡ ካብ ኣፍንጫ ናይ ሰባት ዝተወስደ ቅምሶ'ውን ኣይተረኽበን። በዚ መሰረት ኣብዞም ሳምንታት ብዛዕባ ኮቪድ-19 ከስዕብ ዝኽእል ሰዓል ዝመስል ሕማም ኣብ መደምደምታ ምብጻሕ ኣጸጋሚ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ። ኣብ ዕዳጋ ሁናን ኣብ ብርክት ዝበለ ስፍራ ኣሰራት ኮቪድ-19 ተረኺቡ እዩ። እንተኾነ ኣብ ጥሪ 2020 ካብቲ ዕዳጋ ኣብ ዝተኣከበ ናይ እንስሳ ፍርያት መርኣያ ናይቲ ሕማም ኣይተረኽበን። ኣብቲ እዋን ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣተወ፡ ናብ በረድ ዝተቐየረ ልዕሊ 1 ሽሕ ቅምሶታት ተመርሚሩ፤ ኩሉ ናጻ ኮይኑ ተረኺቡ። ቅምሶ ናይቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝቐረበ ፍርያት ግና ኣይተረኽበን። ካልእ፡ ገለ ሳምንታት ቅድሚ እቲ ለበዳ፡ ናይ መላእ ዓለም ወተሃደራዊ ጸወታታት ኣብ ውሃን ተኻዪዱ ብምንባሩ፡ እቲ ቫይረስ ብገለ ካብቶም ኣጋይሽ መጺኡ ይኸውን ዝብል እዩ። ብመሰረት ዝቐረበ ሰነድ ሓሙሽተ ሰባት ብጽኑዕ ሓሚሞም ሕክምና እኳ እንተ ተገብረሎም፡ ዝኾነ ናይ ረስኒ ምልክት ኣይተመዝገበን። ተማራመርቲ ካብ ህዋ ኮይንካ ሕማም ሸሮኽ ቅድሚ ምኽሳቱ ክፍለጥ ይክኣልዩ ኢሎም ተመራመርቲ፡ ኣብ ህዋ ዝርከባ ንክሊማዊ ለውጢ ዝከታተላ ሳተላይትን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ተጠቒሞም ሕማም ሸሮኽ ቅድሚ ምጅማሩ ክፈልጥሉ ዝኽእሉ ኣገባብ ኣተኣታትዮም። እዚ ርኽብት ህይወት ብዙሓት ሰባት ካብ ለበዳ ሸሮኽ ከድሕን ዝኽልእ ከም ዝኾነ'ውን ብኣግኡ ተስፋ ተነቢርዎ ኣሎ። ዶክተር ፓውሎ ሲፖሊኒ ኣባል ኣጀንሲ ህዋ ኣውሮጳ ( European Space Agency) ኮይኑ፡ ነዚ ርኽብት "ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ፤ ትርግታ ናይ ዓለምና ከስምዕ ኽእል ድማ እዩ" ኢሉ ኣሎ። እቲ ዶክተር ብምስዓብ "ኣብ ህዋ ዘላ ሳተላይት ብዛዕባ ለበዳ ሸሮኽ ሓበሬታ ክትህበና ብዙሕ ዝግመት ኣይነበረን። ሕጂ ግን ክውን ኮይኑስ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ" ኢሉ። ተመራመርቲ ነዚ ኣገባብ እዚ ተጠቒሞም፡ ነቲ ኣብ ገማግም ህንዲ ዝተኸሰተ ሸሮኽ 89 ሚኢታዊት ልክዕነት ዘለዎ ግምቶም ኣስፊሮም ነይሮም እዮም። እቶም ተመራመርቲ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ካብተን ንክሊማዊ ለውጢ ክከታተላ ኣብ ህዋ ዘለዋ ሳተላይትን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ተጠቂሞም ሕማም ሸሮኽ ቅድሚ ምኽሳቱ ሓበሬታ ክህቦም ዝኽእል ምህዞ ነዲፎም። ሕማም ሸሮኽ ማይ ወለድ ሕማም ኮይኑ፡ ሰባት ብቪብርዮ ክሎርያ ዝዓይነቱ ባክቴርያ ዝተበከለ ማይ ምስ ዝሰትዩ ወይ መግቢ ምስ ዝበልዑ ብሕማም ሸሮኽ ክጥቅዑ ይኽእሉ። እዚ ሕማም ኣብ ትሮፒካላዊ ከባቢታት ዝርከባን ሰብ ብብዝሒ ዝነብረለንን ከባቢታት ብብዝሒ ይርአ።። ልዕሊ ፍርቂ ካብተን ሕማም ሸሮኽ ዝርኣየለን ሃገራት ኸኣ ምስ ሰሜናዊ ክፋል ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝዳወባ ኮይነን፡ ሓንቲ ካብአን እዚ መጽናዕቲ ዘተኮረላ ሃገረ ህንዲ እያ። እቶም ተመራመርቲ ካብ ዝተፈላለያ ሳተላይታት ዝተወሰደ ሸውዓተ ዓይነት ኣገባብ ኣተዓቓቕና እዮም ተጠቂሞም። እቶም ተመራመርቲ ኣብቲ ባክተርያ ብብዝሒ ዝፈርየሉ ውዕይ ዝበለ ጨዋም ማይን ባክተርያታት ንሓድሕዶም ዝተሓሓዝሉ መስርሓትን ይከታተሉ ነይሮም። ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ዋዒ ማዕበል ዝርኣየሉ መስርሓትን ነቶም ባክተርያ ካብን ናብን ክወስዶም ዝኽእል ናይ ዝናብ ወቕትን ተኸታቲሎም። እዚ መስርሕ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዋዒ ማዕበል ነቶም ባክተርያ ኣበይ ይፋረዩ ኣለዉ ንክፈልጡ ክሕግዞም እንከሎ፡ ማይ ምስ ሃረመ ኸኣ ምስ ውሑጅ ተገሪዞም ክሳብ ኣበይ በጺሖም ንኽፈልጡ ዘኽእሎም ኣገባብ እዩ። ኣሚ ካምፕበል ሓንቲ ካብቶም ነዚ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ እያ። "ሓደ ካብቲ ኣብዚ መጽናዕቲ ዝበርሃልና ጨዋምነት ናይ ሓደ ማይ (ቅድምን ድሕርን እቲ ባኽተርያ ክፋረ ምጅማሩ) ኣብቲ ከባቢ ሕማም ሸሮኽ ክኽሰት እኽእል ድዩ ንዝብል እኹል ስእሊ እዩ ዝህብ" ትብል። ንሳ ብምስዓብ "እዚ ክንፈልጥ ምኽኣልና፡ ኣቐዲምካ ቅድመ ምድላዋት ንኽግበርን ኣብቶም ተኣፈፍቲ ቦታታት ክታበታት ከም ዝውሃብ ንኽግበር ዝሕግዝ እዩ" ኢላ። እቶም ተመራመርቲ ክቱር ክሊማዊ ለውጢ ዝያዳ ሓደሽቲ ሕማማት ሸሮኽ ንኽልዓሉ ምኽንያት ከም ዝኸውን በዚ ሓዲሽ መጽናዕቶም ኣረጋጊጸምዎ ኣለዉ። ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ዓመታዊ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን ሰባት ብሕማም ሸሮኽ ከም ዝጥቅዑን ብሰንኪ እዚ ሕማም ዓመታዊ ኣሰትታ 143,000 ሰባት ከም ዝሞቱ የረድእ። ዝብዝሑ ካብቶም በዚ ሕማም ዝተሓዙ ሰባት ውሑድ ምልክታት ዘርእዩ ኮይኖም ኣብ ገለ ግን ብርቱዕ ውጽኣት ድሕሪ ምስዓብ ኣብ ግዚኡ ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዛት እንተዘይረኺቦም ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ሰዓታት ክሞቱ ይኽእሉ እዮም። ዶክተር ማሪ ፋኒ ራኳልት ኣብ ፒኤምኤል ዝልዓለት ተመራማሪት ኮይና "ህጻናት ዝያዳ ንሕማም ሸሮኽን ንማይ ወለድ ሕማማትን ተቃላዕቲ እዮም፤ ብፍላይ ኸኣ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድሚኦም ህጻናት። እዚ ሓዲሽ ኣገባብ ግን ኣቐዲምና ቅድመ ምድላዋት ብምግባር ህይወት ብዙሓት ህጻናት ንኸድሕን ከኽእለና እዩ" ትብል። እዞም ተመራመርቲ እቲ ኣገባቦም ብፍላይ ቅድሚ ክረምቲ ኣብ ዘሎ ግዜታት 93.3 ሚኢታዊት ልክዕነት ከም ዘለዎ ብምግላጽ ልክዕነቱ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ክብ ንኽብል ዝያዳ ምምሕያሻት ከም ዘካይዱ ገሊጾም ኣለዉ። ኣሚ ካምፕበል ዝኾነ ሸሮኽ ቅድሚ ምኽሳቱ ምሉእ ንምሉእ ንኸይፈልጥዎ ዝዕንቅጾም ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዘሎ እያ ትገልጽ። ንሳ "ኣብ ገለ ከባቢታት እኹል ናይ ረሳሕ ማይን ፈሳሲ ጉሓፍን መተሓላለፊ ዘይብሉ ቦታትት ኣሎ። እዚ ሕማም ሸሮኽ ከበግስ ይኽእል እዩ። እንተኾነ እዚ ምስ ክሊማዊ ለውጢ ዝኾነ ምትእስሳር የብሉን። ኣቐዲምና ክንርእዩ ኸኣ ከጸግመና ይኽእል እዩ" ትብል። ኣሚ ብምስዓብ ከም ኮቪድ-19 ዝኣመሰሉ ለበዳታት ኣብ ቁጠባ ዘምጽእዎ ጸገማት፡ መንግስታት ብዛዕባ ሕማማት ዝውሃቡ ቅድመ መጠንቀቅታታት ኣቓልቦ ክህብዎ ትምህርቲ ኣቅሲምዎም እዩ ኢላ። እዚ ካብ ህዋ ኮይንካ ብዛዕባ ክኽሰት ዝኽእል ሕማም ሸሮኻ ምትንባይ ካብ ህንዲ ወጻኢ ኣብ ካልእ ኣይተፈተነን። እቶም ተመራመርቲ ግን ዋላ እኳ ኣብ ህንዲ ጥራይ ይፈተን ብሰንኪ ጂኦግራፊያዊ ፍልልይ ኣብ ውጽኢቱ ዘምጽኦ ለውጢ ከም ዘየለን ኣብ ህንዲ ዕዉት ምዃኑ ሓደ ዓቢ ዝላ ከም ዝኾነ እዮም ዘብርሁ። ዶክተር ፖውሎ "ንዓለምና ብምዕዛብ ናብ ማሕበራዊ ረብሓና ከነውዕሎ ኢና፡ ብዓቢኡ በዚ ርኽበት እዚ ተሞርኵስና ዝርገሐ ሕማማት ክንፈልጥን ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምልባዕ ሓማማት ዘለዎ ጽልዋ ክንርዳእን ከኽእለና እዩ" ኢሉ። ንሱ ብምስዓብ "እዚ ርኽበት እዚ ንመን እዩ ቀንዲ ዝሕግዝ ኢልና እንተሓሲብና ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ፤ ምኽንያቱ እዚ ቀንዲ ነተን ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ዝያዳ ከርብሕ'ዩ" ብምባል የረድእ። ሓካይም ንመጥባሕቲ ዝጥቀምሉ ናይ 'ናዚ' መጽሓፍ ናይ መትኒ ሓኪም መጥባሕቲ ዶ/ር ሱዛን፡ መጥባሕታ ንኽትውድእ ሓገዝ ከም ዘድልያ ምስ ኣስተውዓለት፡ ነቲ ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ዝተዳለወ ናይ ስነ-መዛርዕ (ኣናቶሚ) መጽሓፍ ክትግንጽል ትጅምር። እዛ ኣብ ዋሽንግተን ዩኒቨርሲቲ ትሰርሕ ዶክተር፡ ነቲ ብኢድ ዝተሳእለ ኣሳእል ኣካላት ደቂ ሰባት ዘርኢ መግለጺታት ብምዕዛብ ድማ ነቲ መጥባሕቲ ብዓወት ክትውድኦ ኪኢላ። እዚ ብናዚ ጀርመን ዝተዳለወ መጽሓፍ፡ ኣብ ዓለም ካብቶም ዝበለጹ ስነ-መዛርዓዊ ኣሳእል ዘለዎ ተባሂሉ ይግመት። እቲ መጽሓፍ ድሙቕ ሕብርታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ሃብታም ዝኾነ ደቂቕ ሓበሬታ ኣለዎ። ኣብቲ መጽሓፍ ስነ-መዛርዕ (ኣናቶሚ) ቆርበት፥ ጅማት፥ መትኒ፥ ጭዋዳ፥ ከምኡ'ውን ዓጽሚ ምስ እኹል ሓበሬታ ተዘርዚሮም ይርከቡ። ነዚ መጽሓፍ'ዚ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ትሕዝትኡ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብዚ መጽሓፍ ተዘርዚሮም ዘለው ሓበሬታታት ድማ ካብቶም ብናዚ ጀርመን ዝተቐትሉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተወስደ ኮይኑ፡ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ኣካላት ተቆራሪጹ'ዩ ብስእሊ መልክዕ ቀሪቡ ዘሎ። ነቐፍቲ እዚ መጽሓፍ፡ ሕሉፍ ጸሊም ታሪኸ ዘለዎ ብምባል ይነቕፍዎ። ተመራመርቲ'ውን ብሞራላዊ ኣጠቃቕማ እቲ መጽሓፍ እናተኸራኸሩ እዮም። ዶ/ር ሱዛን ብወገና፡ ብኣመጻጽኣ እቲ መጽሓፍ ብዙሕ ከም እትርበሽ ትሕብር። እንተኾነ ግን፤ ብዘይ ሓገዝ ናይዚ መጽሓፍ ስርሓ ብዝግባእ ክትፍጽም ከም ዘይትኽእል ኣነጺራ ትገልጽ። ካብ ህልቂት ናዚ ጀርመን ዝደሓነን ፕሮፈሰር ሕጊ ጥዕናን ዝኾነን ራባይ (ሃማኖታዊ መራሕቲ ኣይሁዳውያን) ጆሰፍ ፓሎክ፡ እዚ መጽሓፍ ወላእኳ ካብ እኩይ ተግባራት ናዚ ዝመንጨወ ይኹን፡ ንኣገልግሎት ጽቡቅ ተግባር ክውዕል ከምዝኽእል ይኣምን። እዚ መጽሓፍ፡ ፍሉጥ ጀርመናዊ ኣባል ናዚን ሓኪምን፡ ዶ/ር ኢድዋርድ ፐርንኮፍ ን20 ዓመታት ዝገበሮ መጽናዕቲ ዝሓቖፈ'ዩ። ንሱ ኣብ ኣውስትርያ ንሂትለር ብምድጋፉ ትምህርታዊ መዓርግ እናደለበ ዝኸደ ግኑን ደጋፊ ናዚ እዩ ነይሩ። ብጾቱ ክገልጽዎ እንከለው፡ እሙን ኣባል ሃገራዊ ማሕበርነት ከም ዝነበረን፡ ካብ 1938 መዓልታዊ ናይ ናዚ ድቪዛ ተኸዲኑ ይሰርሕ ምንባሩ ይሕብሩ። ኣብ ቬና ዩኒቨርሲቲ ሓለፊ ቤት-ትምህርቲ ሕክምና ኮይኑ ምስ ተሸመ ድማ፤ ሰለስተ ተሸለምቲ ኖቤል ዝርከብዎም ብምልኦም ኣይሁዳውያን መምህራን ሰጒጉዎም። ኣብ 1939 ድማ ናይቶም ዝተቐትሉ እሱራት ሬሳ፡ ንተግባራት ምርምርን ትምህርትን ከገልግል፡ ናብቲ ዝቐረበ ጨንፈር ምርምር ስነ-መዛርዕ ክለኣኽ ወሲኑ። ኣብቲ እዋን ዶክተር ኢድዋርድ ፐርንኮፍ ንዓሰርተ ሾመንተ ስዓታት ነቲ ሬሳ ክምርምር የሕልፎ ከም ዝነበረን፤ ኣብ ጎኑ ድማ ካልኦት ሰኣልቲ ስእላዊ መግለጺ ይሰርሑ ነይሮም። ኣብ ገለ እዋናት፡ እቲ ክፍሊ ስነ-መዛርዕ ብሬሳ ይመልእ ሰለዝነበረ፡ ምርሻን እሱራት ንኻልእ መዓልቲ ይመሓላለፍ ነይሩ። ኣብ ሃርቫርድ መዲካል ስኩል እትሰርሕ ዶ/ር ሳባይን ሂልደብራንድ፡ እቶም 800 ኣሳእል ኣብቲ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ካብ ናይ ፖሎቲካ እሱራት ከም ዝተወስደ ይገልጽ። እዞም ኣሳእል ናይ ሕደ-ጾታውያን (ሆሞሰክሸዋል) ደቂ ተባዕትዮን ደቂ እንስትዮን፥ ጅብሲስ፥ ናይ ፖሎቲካ እሱራትን ከምኡ'ውን ኣይሁዳውያን ዝተወስደ እዩ። እቲ ቀዳማይ ሕታም ድማ ኣብ 1937 ተሓቲሙ። ኣብ 1964 ድማ ናይ ናዚ ምልክታት ዘለዎ ክልተ ሕታም ብቋንቋ እንግሊዘኛ ተሓቲሙ። ብሓሽሓት ዝቁጸሩ ቅዳሓት ድማ ኣብ መላእ ዓለም ተሸይጡ። ብ 5 ቋንቋታት ድማ ተተርጐሙ። ኣብ 1990 ድማ ተምሃሮን ዮኒቨርሲቲ መምሃራንን፡ ነዚ ኣብቲ መጽሓፍ ዘሎ ኣሳእል ናይ መን ምዃኑ ክሓቱ ጀሚሮም። እቲ ሕማቕ ታሪኽ ናይቲ መጽሓፍ ምስ ተጋህደ ድማ፡ ኣብ 1994 ምሕታማ ተቛሪጹ። ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ 69% ሚእታዊት ናይ መጥባሕቲ ሓካይም ነቲ መጽሓፍ ክጥቀሙ ጸገም ከም ዘይብሎም ክሕብሩ እንከለው፡ 15% ሚእታዊት ስክፍታ ከም ዘሕድረሎም ዝተረፉ 17% ክውስኑ ኣይከኣሉን። ዝሓለፈ ዓመት ራባይ ፖላክ ብዛዕባ ኣጠቃቕማ ስነ-ምግባር እዚ መጽሓፍ ኣመልኪቱ ምሁራዊ መጽናዕቲ ንምርካብ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ። እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ድማ እዚ መጽሓፍ ህይወት ሰብ ዘድሕን እንተኾይኑ፤ ኣብ መዓላ ክውዕል ተሰማሚዖም። እንተኾነ ግን፡ እቶም ሰባት ብዛዕባ እቲ ሕሉፍ ታሪኽ ክፈልጡ ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሮም። ዶክተር ኢድዋርድ ፓንኮፍ፡ ካልኣይ ወግእ ዓለም ምስ ተወደኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ንሰለስተ ዓመት ኣብ ቤት-ማሓቡስ ድሕሪ ምጽናሕ ብዘይ ዝኮነ ክሲ ተፈቲሑ። ካብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ወጸ ድማ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ተመሊሱ ስርሑ ጀሚሩ። ኣብ 1952 ሳልሳይ ሕታም ኣሕቲሙ። ኣብ 1955 ድማ ቅድሚ ራብዓይ ሕታም እቲ መጽሓፍ ምውጽኡ ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ድሕሪ 60 ዓመት ድማ፡ እዚ መጽሓፍ ካብቶም ዝበለጹ ዝርዝር ኣናቶሚ ዘለዎን እኹል ሓበሬታ ብዛዕባ ስራሕ መጥባሕቲ ዘለዎ መጽሓፍ ኮይኑ ይርከብ። ጥዕና፡ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ንምንታይ እዩ ዝጎድል? ኣብ 1840ታት ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት 40 ዓመታት እዩ ነይሩ። ኣብ 1900ታት ኣብ ስርዓተ ኣመጋግባ፣ ኣብ ዕቃበ ጥዕና፣ ኣብ ኣነባብራ ርኡይ ምምሕያሽት ስለ ዝተገበረ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ናብ 60 ክብ ክብል ክኢሉ። ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣነባብራ ደቂ ሰባትን ቀረብ ንድሌታቶምን እኹል ክብሃል ዝክኣል ኣወንታዊ ለውጥታት ዝተረኣየሉ እዋን እዩ ነይሩ ክሃል ይከኣል። ኣብ 1970ታት እውን፡ ኣብ ሕክምና ወቕዒ ልቢ ጽቡቕ ምዕባለ ስለ ዝተመዝገበ ኣብ መጠን ዕድመ ደቂ ሰባት ለውጢ ኣርእዩ እዩ። ከም ውጽኢቱ እውን ኣብ መጀመርታ 21 ክፍለ ዘመን ማእከላይ ዕድመ ደቂ ኣንስትዮ 80 ናይ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ናብ 70 ዓመት ክብ ክብል ክኢሉ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ወሰኽ ከርኢ ጀሚሩ ነይሩ፤ እንተኾነ ካብ 2011 ጀሚሩ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ርኡይ ምጉዳል ኣርእዩ። እዚ ሃንደበታዊ ምጉዳል ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ንብዙሓት ተመራመርቲ ኣገሪሙ እዩ። 2015 ከኣ ምስቲ ኣብቲ ዓመት ዝተራኣየ ብርቱዕን ሰፊሕ ምልባዕ ዝተራእዮን ሰዓል ከተሓሕዝዎ እዩ ቀሊልዎም ነይሩ፤ እንተኾነ ኪንኡ ዝኸይድ ምኽንያት ከም ዘሎ ግን ኣይሰሓትዎን። ኣብ 2016-2018 ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ዓመታት ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ቁሩብ ለውጢ'ኳ እንተገበረ፡ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓሰርተ ዓመታት ግን ጽቡቕ ዝብሃል ምምሕያሽ ኣይኮነን። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ሰባት ግን ካብዚ ዘሎ ትሑት ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ምምሕያሽ ንኸርእዩ ብውሕዱ 12 ዓመታት ክወሰድሎም እዩ። እቶም ጠንቅታት ድኣ እንታይ'ዮም? እቲ ቀዳማይ ምኽንያት ተባሂሉ ዝቐርብ፡ ደቂ ሰባት ደሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ደረጀኦም እዮም በጺሖም ዘለዉ ዝብል እዩ። ኣብ ዓለም ሕጋዊ መዝገብ ዝተረኸባ፡ ዝነውሕ ዕድመ ኣብዚ ዓለም ነይራ ዝብሃለላ ፈረንሳዊት ጀኒ ካልመት እያ። ጀኒ ካልመት፡ ኣብዛ ዓለም ን122 ዓመታት ነቢራ ቅድሚ 20 ዓመት ከም ዝሞተት እዩ ዝግለጽ። ኣሜሪካዊ ተመራማሪ ደቪድ ሲንክላር ብዛዕባ ዕድመ ደቂ ሰባት ምርምር ኣካይዱ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ፡ ኣብ ናይ ደቂ ሰባት 'ጂን' ለውጢ ብምግባር ዕድመ ደቂ ሰባት ምንዋሕ ከም ዝከኣል እዩ ዝጠቅስ። ጃፓናውያን ምስ እንግሊዛውያን ብምውድደር ዝነወሐ ዕድመ ከም ዝነብሩ እዩ ዝፍለጥ። ግደ ሓቂ እተን ዝማዕበላ ሃገራት እንተርኢና፡ ህዝበን ዝነወሐ ዕድመ ናይ ምንባር ዕድል ኣለዎም። ምስ እዚኣን ብምውድዳር ግን ኣሜሪካ ዝውሓደ ማእከላይ ዕድመ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ዕድመ ደቂ ሰባት ምርምር ዝገበረ ኢድዋርድ ሞርጋን፡ ንምንቁልቃል ማእከላይ ዕድመ ምኽንያት ዝኾነ፡ ምርምር ዘድልዮ ካልእ ኣገዳሲ ምኽንያት ከም ዘሎ እዩ ዝሕብር። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተገበረ ምርመር ከም ዝርእዮ፡ ከምቲ ኣብ መጀመርታ 20ን 21 ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ሕክምናዊ ምርምራት ዝተራእየ ጽቡቕ ግስጋሰ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ስለ ዘይተራእየ ከም ቀዳማይ ሮቋሒ ኣስፊርዋ ኣሎ። እቲ ዝተኻደ ምርምር፡ ሰባት ብሓደ ሕማም ይሞቱ እሞ፡ ነቲ ሕማም ፈውሲ ምስ ተረኸቦ፡ ብኻልእ ሕማም ተተኪኡ ይመጽእ ምህላዉ ይሕብር። ነቲ መርትዖ ከቕርቦ እንከሎ ኸኣ፡ ብሕማም ወቕዒ ልብን መንሽሮን ዝኽሰት ዝነበረ መጠነ ሞት'ኳ እንተጎደለ፡ ጽላለ ዘስዓቦ ነብሰ ቅትለት ዝርከቦ መጠን ሞት ግን ይውስኽ ከም ዘሎ ይጠቕስ። ተመራመርቲ ከኣ ክንዲ ምውጋዱ ኣብ ምጉዳሉ ጥራይ የተኩሩ ብምህላዎም ኣብ ሓፈሻዊ ማእከላይ ጋምጋም ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘምጽአ ይሕብር። እተን ዝደኸያ ሃገራት፡ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ደቂ ሰባት ዝኸፈአ ምንቁልቋል ከም ዘርኣያ ብምሕባር፡ ነቲ ዘሎ ውሁብ ሓቅታት ኣብ ቀረብ ጥዕና፡ ትሑት መኣዛዊ መግብታት ዘለወን ሕጽረታር ነቲ ቁጽሪ ከም ዘጋደዶ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይጠቕስ። እንተኾነ እቲ ዝወጸ ጸብዳብ ሕጂ'ውን ናብ እኹል መደምደምታ ኣይበጽሐን። እዚ ክስተት ከም ዘለዎ እንተቐጹሉ ግን፡ መልሲ ንምርካብ ዝግበር ግድለ እናኸበደ እዩ ክኸይድ ። ኬንያውያን ጒሒላታት ሓደገኛ ዝኾነ ዘይቲ ንመኸሸኒ ይሰርቁ ምህላዎም ተገሊጹ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኬንያ፡ ብሰንኪ ስርቂ ትራንስፎርመራት ሚልዮናት ዶላር ከምዝኸሰረ ኣፍሊጡ። ካብቲ ትራንስፎርመራት ዝወጽእ ሓደገኛ ዘይቲ፡ ከም ዘይቲ ብልዒ ተመሲሉ ኣብ ዕዳጋታት ይሽየጥ ከምዘሎውን ሓቢሩ። እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ እቶም ገበነኛታት እቲ ፈሳሲ ካብቲ ትራንስፎርመር ብምውጻእ ንሬስቶራንታትን ኣብ ጸግዒ መገዲ መግቢ ንዘዳልውን ይሸጡሎም ከም ዘለው ኣፍሊጡ። እዚ ኣብ ቀረባ እዋናት ዘጋጠመ ስርቂ ትሕተ ቕርጺ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስቲ ኣብ ቀረባ ጊዜያታት ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ ዘይቲ ዝተሓሓዝ ከም ዝኸነ ብምግላጽ ገለ ትካላት ንግዲ ከምዚኦም ዝተሰረቑ ዘይትታት ምዕዳግ ናብ ዝኣመሰሉ ዘይተለመዱ ኣማራጺታት ከም ዝኣተው ገሊጹ። እቲ ናይ መግቢ ዘይቲ ዝመስል ኣብ ውሽጢ ትራንስፎርመር ዝርከብ ዘይቲ ግና ንጥዕና ሰባት ሓደገኛ ኮይኑ፡ ከቢድ ጠንቂ ጥዕና ከም ዘስዕብ ሰብ ሞያ ይገልጹ። ካልኦት ሰረቕቲ ድማ ውልቀሰባትን ትካላትን ቐረብ ኤሌክትሪክ ዝረኽብሉ መስመር ብምቑራጽ፡ ዳግም ንክጸዕግኑዎ ገንዘብ ይሓቱ። ኣብዚ እዋን 20 ዝጽግዓ ትራንስፎርመራት ከም ዝዓነዋ ወይ ጉድኣት ከም ዝበጽሐንን ኣብ ማእኸላይ ኬንያ ዝርከቡ ትሕተ ቕርጺ ዝበጽሕ ጉድኣት እናወሰኸ ከም ዝመጽአን ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት። ምስ'ዚ ብዝተሓሓዝ ብውሑድ 22 ሰባት ኣብ ቀይዲ ክኣትው ከለው ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይርኣይ ኣሎ። እቲ ዝፍጸም ዘሎ ዝምታ ምኽንያት ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ይኸውን ብምህላው፡ ምዕናው ትሕተ ቕርጺ ዘስዕቦ ሓደጋ ዝምልከት ግንዛበ ንምዕባይ ሃገራዊ ወፍሪ ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቕርጺ ኤሌክትሪክ ዝተፈጸሙ ዝምታ ብዘስዓቦ ምፍራስ መከፋፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ: ኣብታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ምቁራጽ ቐረብ ኤሌክትሪክ ኣስዒቦም እዮም። “ሩስያ፡ ንኣፍሪቃ ጅሆ ኵናት ዩክረይን ገይራታ”- ዘለንስኪ ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ትማሊ ብማንዛ ምስ መራሕትን ወከልትን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ሩስያ ንኣፍሪቃ ጅሆ ሒዛታ ኣላ ኢሉ። ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ዕግታ ሰደድ እኽልን፡ ኣብ መላእ ዓለም ሕጽረት ቀረብ እኽልን ዱዂዕን ብምስዓብ ንሚልዮናት ናብ ሓደጋ ጥምየት ኣቃሊዕዎም ምህላዉ ይፍለጥ። ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ብወገኑ፡ መርገጺ እቲ ኮሚሽን፡ እቲ ዘሎ ጸገማት “ብቅልጡፍ ብዘተ ክፍታሕ” ዝብል ምዃኑ ገሊጹ። ሃገራት ምዕራብ፡ ሩስያ ነቲ ጎቢጣቶ ዘላ መኻዚናቶታት እክሊ ዩክረይን ንሰደድ ነጻ ክትገብሮ ብተደጋጋሚ ክጽውዓ ጸኒሐን’የን። ዕጽዋ ሰድድ እኽሊ ዩክረይን ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ እኽልን መግብን ብናህሪ ክውስኽ ከም ዝቀሰበ ይግለጽ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ መደርኡ “ኣፍሪቃ ናይቶም ኣብ ልዕሌና ኵናት ዝኣወጁ ጅሆ እያ” ኢሉ። እቲ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ነቲ ኣብ ዩክረይን ወደባት ጸሊም ባሕሪ ዝርከብ፡ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ኣእካል ክስደድ “ዝተሓላለኸ ዘተታት” ይገበር ምህላዉ’ውን ሓቢሩ። “እቲ ኵናት ካባኹምን ካብ ሃገራትኩምን ኣዝዩ ርሑቕ ዘሎ ኰይኑ ክስምዓኩም ይኽእል እዩ” ድሕሪ ምባል “እንተኾነ፡ እቲ ኵናት በቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ኣቢሉ፡ ናብ ሚልዮናት ስድራቤታት ኣፍሪቃ ኣትዩ’ዩ” ኢሉ። ዘለንስኪ፡ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መደረ ከስምዕ ቅድሚ 10 ሳምንታት’ዩ ሕቶ ኣቅሪቡ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ 55 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ኳ ተዓዲሞም እንተነበሩ ሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ጥራይ ከም ዝተሳተፉን እተን ዝተረፋ ሃገራት ወኪላተን ጥራይ ከም ዘሳተፋን ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ። ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተፈላለየ መርገጺ ክሕዛ’የ ዝርኣያ ዘለዋ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ንምኹናን ኣብ ዝገበሮ መጋባእያ 17 ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ድምጺ ተዓቕቦ ከም ዘስመዓ ይዝከር። እንተኾነ ትማሊ ኣፈ ጉባኤ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማኪ ሳል ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንዝሃቦ መብርሂ ብሽም እቲ ሕብረት ኣመስጊንዎ። ማኪ ሳል፡ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሰነ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቱን ብምርኻብ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ግዳያት ኵናት ዩክረይንን ሩስያን ይዀና ምህላወን ብምግላጽ፡ ጸገማት ኣፍሪቃ ኣብ ግምት ኣትዩ እቲ ጸገም ክፍታሕ ተማሕጺንዎ ምንባሩ ይዝከር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ሩስያ ንሰደድ ኣእኻል ዩክረይን ምኽልካላ “እዚ ብርግጽ ገበን ኵናት እዩ፡ ስለዚ ከምዚ ኢሉ ንነዊሕ ዝቅጽል ኣይመስለንን” ኢሉ። ጆሴፍ ቦረል፡ ተግባር ሩስያ “ደይ መደይ ኢልካ ኣብ ዓለም ጥምየት ንክኽሰት” ዝገብር ዘሎ ምዃኑ’ውን ገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ካትሪን ኮሎና ብወገና “ሩስያ ብናይ ዓለም ጥምየት ምጽዋት ክትገድፎ ኣለዋ” ኢላ። ሩስያ ብወገና፡ ኣብ ዓለም ብሰንኪ እቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበሮ እገዳ ጥምየት ይኽሰት ከም ዘሎ’ያ ትገልጽ። መግቢ፡ ብዙሕ ሃናጺ ትሕዝቶ ዘለዎ ድዱዕ ንምብላዕ ሸውሃትኩም ምተኸፍተ'ዶ? መግቢ፡ ብዙሕ ሃናጺ ትሕዝቶ ዘለዎ ድዱዕ ንምብላዕ ሸውሃትኩም ምተኸፍተ'ዶ? ኣብ ሃገረ ታንዛንያ፡ ሓደ ሓረስታይ ፍልይ ዝበለን ሰብ ሰገረመን ሕርሻ ብምፍጣር ናብርኡ ከመሓይሽ ክኢሉ'ሎ። እቲ ሕርሻ፡ ድዱዕ (እወ እዞም ኣብ ገዛውትኹም መከራ ዘጽገብኹም ባልዕ ገዛ) ዘፍሪ'ዩ። ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ በቲ ሕርሻ ምፍራይ ድዱዕ ሓሊፍሉ ኣሎ። "ዱዱዕ ከፍሪ ምስ ጀመርኩ፡ ሰባት ዝዓበድኩ'ዩ ዝመስሎም ነይሩ። ሕጂ ግን ጽቡቕ እቶት ክረኽበሉ ክኢለ ኣለኹ" ይብል ሓረስታይ ሉስየስ ካዎጎ። በዚ ዝተላዕለ ድማ እዛ ምብራቓዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ብድዱዕ ተወሪራ'ላ ይብሃል ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓንቲ ወርይቲ ታንዛንያዊት ድምጻዊትን ሞደልን ሳውሙ ሃሚሲ፡ ድዱዕ ከተስተማቕር ምጅማራ ድሕሪ ምግላጻ ንህዝቢ'ታ ሃገር ዋዕዋዕ ኣቢላቶ ነይራ። እታ 'ኡሚ ዶል' ብዝብል እትፍለጥ ስነ-ጥበባዊት ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ስዋሂሊ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ እቶም ዝበልዓቶም ድዱዕ ዓሳን ጻዕዳ ስጋን ከም ዝጥዕሙ ተዛሪባ ነይራ። ዘይቲ ኮኮናት ብምሕዋስ፡ ጠቢሳ፡ ቆልያን ብመልክዕ 'ከባብን' ከም ዝኸሸነቶም'ውን ጠቒሳ። ብመፍረ ድዱዕ ዝሓለፈሉ ነጋዳይ ሓረስታይ ካዎጎ ብወገኑ፡ ካብ ታንዛንያ ወጻኢ ጠለባት ክቐርበሉ ከም ዝጀመረ'ዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ግን፡ ዝበዝሑ ታንዛንያዊውያን ጌና ሸውሃቶም ከም ዘይተኸፍተ'ዩ ዝዛረብ። "ኣብ ሕርሻ ድዱዕ ዝተዋፈሩ ብዙሓት ሰባት እንተዝህልዉ ደስ ምበለኒ፡ ምኽንያቱ፡ ብብዝሒ ናብ ዕዳጋታት መቕረብና" ይብል። ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ዳሬሰላም ኣብ ዝርከብ ሙሂምቢሊ ሃገራዊ ሆስፒታል ዝሰርሕ ኪኢላ ከም ዝበሎ፡ ብቕኑዕ ኣገባብ እንተፈርዮም ድዱዕ ብዙሕ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ክህቡ ይኽእሉ'ዮም። "ድዱዕ ልዑል መጠን ፕሮቲን፡ ስብሒ፡ ቪታሚን ቢ12 ከምኡ'ውን ዓቕሚ ምክልኻል ኣካላትና ዘዕቢ [ማዕድን] ዚንክን ኣለዎም" ክብል ኪኢላ ስነ-መግቢ ስኮላስቲካ ምሊንጋ ንቢቢሲ ስዋሂሊ ተዛሪቡ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ሆላንድ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ፡ ድዱዕ ነቲ ሻቕሎት እናፈጠረ ዝኸይድ ዘሎ ውሕስነት መግቢ ኣብ ምቅላል ተራ ክህልዎም ከምዝኽእል ዝእምት'ዩ ነይሩ። ምስ ኪሊማዊን ኣከባቢያዊ ለውጥን ብዝተሓሓዝ'ውን ሓደስቲ ምጭታት መግቢ ኣብ ምርካብ ሃሰው ዝብሉ ተመራመርቲ ምስዚ ኣብ ክሽነታትና ሞኽ ዘበለናን ከም ጸላኢ ዝረአን እንስሳ ርክብና እነመሓይሸሉ ኩነታት ንምፍጣር መጽናዕትታት ካብ ምግባር ኣይዓረፉን ዘለዉ። ተዓጽዩ ዘሎ ሸውሃት ብዙሓት እንተተኸፊቱ ድማ፡ 'ዕምሩ ዝሓጸረት ድዱዕ ኣብ ክሽነ ይስዕስዕ' ዝብል ምስላ ከይተመሰለሎም ኣይተርፍን። ኣብ ኣይስላንድ፡ ተመራመርቲ ስጋ ንምፈራይ ዘኽእሎም ልዕሊ 100 ሽሕ ኣትኽልቲ ስገም የዕብዩ ኣለው። እቲ መስርሕ እንስሳታት ካብ ምሕራድ ዘድሕንን፡ ካብ ሕርሻ ከብቲ ዝተሓተ ልቀት ጋዛት ሓምላይ-ገዛ ዘለዎን ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ። ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብጉድለት ስነ-ምግባር ክሕተት መንግስቲ ጥርዓን ኣቕሪቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ናይ ሞራል፡ ናይ ሕግን ስነስርዓትን ሕቶታት ከምዘለዉዎ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጸኢ ኢትዮጵያ ናብ ላዕለዋይ ቦርድ ውደብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝልኣኾ ናይ ጥርዓን ደብዳበ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንኪ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘይሻራውነቱ ኣብ ምልክት ሕቶ ይኣቱ ምህላዉ ኣብሪሁ። ዋላ'ኳ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንውድብ ጥዕና ዓለም ክመርሕ ኢትዮጵያ እንተሓጸየቶ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብቲ ዘለዎ ጽፍሒ ትጽቢት ዘይግበረሉ ሞያዊ ዘይሻራውነት ከምዘየርኣየ ኣብቲ ደብዳብ ሰፊሩ ኣሎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጸኢ ኢትዮጵያ፡ ጥሕሰት ስነ ምግባር ሞያ ኢሉ ካብ ዝገለጾም፡ ዶክተር ኣድሓኖም ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ኣመልኪቱ ጣልቃ ከምዝኣተወ ዝገልጽ ይርከቦ። ብዘይካ'ዚ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣባል እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ዝተገለጸ ጉጅለ ህወሓት ምዃኑን ደግፍ ከምዝገብረሉን'ውን እቲ ሚኒስትሪ ከሲሱ። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ይኽልክለ ኣሎ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ። ዶክተር ቴድሮስ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ከም ብዓል ሶርያን የመንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዘይተኸልከለሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ሕክምናዊ ቀረባት ከይቅርብ ተኸልኪሉ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ሕጽረት መድሃኒት ኣብ ክልል ትግራይ ሕሙማት ከምዝሞቱ ይገብር ኣሎ፡ ሕጽረት መግቢ'ውን መዓልታዊ ሰባት ንኽሞቱ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ። እዚ ከይኣክል መዓልታዊ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ብምፍጻም ዜጋታት ብስግኣት ከምዝነብሩ ምግባር ቅኑዕ ኣይኮነን" ኢሉ። ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ቅድሚ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኮይኑ ምምራጹ፡ ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ሚኒስተር ጥዕናን ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰርሐ'ዩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናብ ላዕለዋይ ቦርድ ውድብ ጥዕና ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበ፡ ህወሓት ዓወታት ከመዝግቡ እንከለዉ ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓጎሱ ከምዝገልጽ ብምጥቃስ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዘጋጥመሉ ኸኣ ንሓደ ወገን [ንመንግስቲ ኢትዮጵያ] ጥራይ ከምዝነቅፍ ገሊጹ። ብሓፈሻ ኣካይዳ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንመምርሒታትን ኣካይዳን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝጥሕስን ንሽም እቲ ውድብ ዘደብንን ከምዝኾነ ዝገልጽ ደብዳበ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ እዚ ንዶክተር ኣድሓኖም ዝኸሱሉ ዘለዉ ነጥብታት ኣብ ፌስ ቡክ ናይ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝርከብ ከምዝኾነ ገሊጹ። ብዘይካ እዚ፡ ዶክተር ቴድሮስ ንውድብ ጥዕና ዓለም ወኪሉ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ውልቀሰብ: ነቲ ኣብቲ እዋን ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽበ ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ 1.8 ሚሊዮን ክነሱ 3.8 ሚሊዮን ኢሉ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘቕርብ ከምዝገበሮ እቲ ሚኒስትሪ ከሲሱ ኣሎ። ዶክተር ቴድሮስ፡ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ንኽብል ክሰርሕ ምጽንሑ'ውን ከሲሱ ኣሎ። ካብዚ ብምብጋስ ላዕለዋይ ቦርድ ውደብ ጥዕና ዓለም ንጉዳይ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ክምርምሮ እቲ ሚኒስትሪ ሓቲቱ ኣሎ። ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ክልል ትግራይን ካልኦት በቲ ኵናት ዝተጎድኡ ከባቢታትን ዘቐረብዎ ረድኤት ከምዝነበረ ብምሕባር፤ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከብጽሑ ተፈቂድዎም ናብ ክልል ትግራይ ግን ከብጽሑ ፍቃድ ከምዘይተወሃቦም ገሊጹ ነይሩ። ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ክልል ትግራይ ዝኾነ ሕክምናዊ ሓገዛት ክገብር ከምዘይክኣለ ብምግላጽ ከኣ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወቂሱ። ዶክተር ቴድሮስ "ኣብ ዓለም ከምዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ መዓት ተራእዩ ኣይፈልጥን'ዩ፡ ትግራይ ግሃነም'ያ ኮይና ዘላ" ኢሉ። እዚ ጉዳይ ብሰለማውን ብፖሎቲካውን ኣገባብ ክፍታሕ ከምዝኽእል ብግላጽ፡ እቲ ሰላም ዝመረጸ'ዩ ጅግና ዝብሃል ክብል ኣብቲ ቪድዮ ተዛሪቡ። ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ፌዴራል ትማሊ ንኽሲ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣምልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ብኸም ውድብ ጥዕና ዓለም ዝቐርብ ክስታት "ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት የብሉን" ኢሉ። ኣብቲ መግልጺ፡ መንግስቲ በይንኣዊ ምቁራጽ ተኵሲ ኣዊጁ ሰራዊቱ ካብታ ክልል ምስ ኣውጽአ፡ ህዝቢ እታ ክልል ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ብመንግዲ ክልል ዓፋር ሰብኣዊ ረድኤት ክረክብ ጀሚሩ ምንባሩ ድሕሪ ምግላጽ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ከምዘይኸልከለን ብኣንጻሩ ህወሓት ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ከይኣቱ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎን ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ራያ ዝኣተወ ዕስለ ኣምበጣ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ይኸውን ኣሎ ኣብ ደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦ:፣ ራያ ኣላማጣ፣ ሕንጣሎን ወጀራትን ዝኣተወ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ፡ ናብ ብርክት ዝበለ ቦታት ይዝርጋሕ ምህላዉ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ኣፍሊጡ። እቲ ዕስለ ኣብ ዘራእቲ ሳዕቤን የውርድ ከምዘሎ ድማ ኣብ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ልምዓት ገጠርን፡ ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ባልዓትን እፅዋት ኳረንታይንን ኣይተ መብራህቶም ገብረኪዳን ንቢቢሲ ገሊፁ። እቲ ካብ ኣንፈት ዓፋር ዝኣቱ ዘሎ ዕስለ: ኣብ ሓፂር ግዜ ነዊሕ ይጓዓዝ ከምዘሎን በዝሒ ከምዘለዎን ይግለፅ ኣሎ። እቲ ኣብ ሕዛእትን ዘራእትን መሬት ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ኣላማጣ፣ ሕንጣሎን ወጀራትን ዝዓለበ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ንምክልኻል፡ ህዝብን መንግስትን ተዋዲዶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣይተ መብራህቶም ተዛሪቡ። ኮይኑ ግና፡ እቲ ዕስለ ካብ ቁፅፅር ይወፅእ ምህላዉን ልዕሊ ዓቕሚ ይኸውን ስለዘሎን ኩሉ ክተሓባበር ፀዊዑ። ሓረስቶት ናብ ግራቶም ከይዓልብ ይከላኸሉ እኳ እንተሃለዉ: ሰፊሕ ሓገዝ ኣብ ከተማ ዝርከቡ መናእሰይ የድሊ። ብፍላይ 'ርችት' ነቲ ዕስለ ኣብ ምብታን ዝሐሸ ሜላ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፡ ሰብ ሃብቲን ካልኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሓገዞም ከሕይሉ ኣይተ መብራህቶም ተማሕፂኑ። እቲ ዕስለ ናብ ካልእ ከባቢታት ትግራይ ከይዘምት ኣብ ምክልኻል: ሕዚ እውን ህዝብን ኩሎም ኣካላት መንግስቲን ተዋዲዶም ክሰርሑ እቲ ሓላፊ ኣተሓሳሲቡ። መግቢ ብኣፋ ክትኹልስ ዘይተዓደለት ፍልጥቲ በዓልቲ ሞያ ክሸና መግቢ ሎሬታ ሃርሜስ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት መግቢ ዝበሃል ናብ ኣፋ ኣሕሊፋ ኣይትፈልጥን። እዚ ግን መግቢ ካብ ምብሳል ወይ ምድላው ኣይኣገዳን። ዝሰርሓቶ መግቢ ጨው በዚሕዎ’ዶ ውሒድዎ ጥዒማ’ኳ ክትፈልጦ እንተዘይከኣለት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኢንስታግራም ግን ብዙሓት ፈተውቲ ኣፍሪያ’ላ። ዘብሰለቶ ድንሽ ናብ ኣፋ ክተሕልፎ ስለዘይትኽእል ንሃፍኡ ተጠዓዕሞ። እኽልን ማይን ብኣፋ ሓሊፉ ማለት ከቢድ ስቓይ እዩ። ነቲ ብዝተለመደ መገዲ ኣጠዓዒማ ክትምገቦ ዘይከኣለት መግቢ ግን መሊኣ ክትርሕቖ ኣይመረጸትን፤ ዝስምዓ ቓንዛ እናተጻወረት ኣብ ክሽነ ክትውዕል ወሲና’ላ። ኣበሳስላ ማለት ምድላው ምግቢ ብትምህርቲ ዝረኸበቶ ሞያ’ዩ። “ምስ ኣደይን ሓፍተይ ኣብ ሓደ መኣዲ ኮፍ ኢልካ መግቢ ምምጋብ ፍሉይ ታሕጓስ’ዩ ዝፈጥረልካ” እትብል ሎሬታ ነዚ ካብ ዘይትዕደል ግን ሽድሽተ ኣዋርሕ ተቖጺሮም። ጓል 23 ዓመት ሎሬታ ብፈሳሲ መልክዕ ካብ ዝወሃባ መግቢ ወጻኢ ቤተሰባ ንመኣዲ ከቢቦም ኮፍ ኣብ ዝብሉሉ ጊዜ ኣብ ውሽጢ ክፍላ ኮፍ ካብ ምባል ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ የብላን። ተኸሺኑ ዝተዳለወ ስጋ ደርሆ ኣልዒላ ክትምገብስ ይትረፍ ፋርኬታ ኣልዒላ ብኢዳ ክትሕዝ እውን ዘገረም ነገር’ዩ ዝኾና ነይሩ። ቁሩብ ዘሕጉሳ ሓደ ዕድል ረኺባ ነይራ። ካብቲ ኣብ ብያቲ ዝቐርብ መግቢቁሩብ ክትኹልስ በቒዓ። ነዚ ዝገበረ ከኣ ሓደ በዓልሞያ እዩ። ስለምንታይ መግቢ ክተበልዕ ከላ ከምዘሕምማ፤ ንምንታይከ ናብ ሽቓቕ ከይዳ ክትጥቀም ዘይትኽእል? ዝብሉ ነገራት ንምጽናዕ’ዩ ነዚ ዝገብር ዘሎ። ሎሬታ ቆልዓ ኮይና ብቴሌቪዥን ንዝቐረብኡ ምድላዋት ክሸና መግቢ ብምክትታል ዘዝረኣየቶ እናፈተነት ንቤተሰባ ተቕርብ ነይራ። ጓል 11 ዓመት እናሃለወት ብፍላይ ኣዲኣ ኣብ ስራሕ ኣምሲያ ትመጽእ ብምንባራ መግቢ ኣዳልያ ትጽበያ። ኣዲኣ ከምእትብሎ ሎሬታ መግቢ ክተብስል ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ንፈለማ ዝሰርሓቶ ብስልሲ ኮሚደረ ዝተዳለወ ፓስታ ክኸውን ከሎ፤ ብድሕሪኡ ግን ውሕልና ዝሓቱ ክብድ ዝበሉ መግብታት ምኽሻን ቀጺላትሉ። ተምሃሪት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኮይና ኣብ ሓደ ውድድር ክሸና መግቢ ተሳቲፋ ተዓዋቲት ክትኸውን በቒዓ ነይራ። ብዘይካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝካየዱ ውድድራት ምድላው መግቢ ኣብ ካልኦት ዓበይቲ ውድድራት’ውን ተሳቲፋ ዋንጫ ዝረኸብትሎም ኣጋጣምታት ኣለዉ። “ናይ ሎሬታ ብቕዓት ኣብ ክሽነ ብዝረኸበቶ ኩሉ ነገራት መግቢ ክተዳልው ምኽኣላ እዩ” ትብል ኣዲኣ ጁሊ። እቲ መግቢ ምምጋብ ዘኸትሎ ቅልውላው ጥዕና [‘ኢቲንግ ዲስኦርደር] ገና ጓል 15 ኮይና’ዩ ዘጋጠማ። ገና ቖልዓ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን’ውን መግቢ ናይ ዘይምሕቓቕ ጸገማት የጋጥማ ከምዝነበረ ትዝክር። በዚ ምኽንያት ከኣ ዝበልዓቶ መግቢ ክኹርኩሓን ስቓይ ክፈጥረላን ጀሚሩ። ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ድማ ቃንዝኡ እናወሰኸ ከይዱ። ሎሬታ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ምስዛዘመት ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ዓብዪ ኮሌጅ ምድላው መግቢ ኣትያ’ኳ እንተነበረት ብሰንኪ ኩነታት ጥዕንኣ ግን ነቲ ኣብ ሰለስተ ዓመት ዝውዳእ ትምህርቲ ገና ሓደ ዓመት ምስተምሃረት ኣቋሪጻቶ። ትምህርታ ኣቋሪጻ ዝበዝሕ ጊዜኣ ኣብ ዓራት ክተሕልፍ ዝተገደደት ሎሬታ ሕማማ ንሰብነታ ኣድቀቖ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ንጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና ተቓሊዓ። ብዙሕ ጊዜ ነብሰ ቕትለት ንምፍጻም ከምዝፈተነት’ያ ትዛረብ። ሓደ እዋን ናብ ሚዛን ደይባ ክብደት ሰብነታ ኣብ ዝተመዝነሉ ጊዜ 25 ኪሎ ኮይና፤ እዚ ከኣ ብህይወት ንምጽንሓ’ውን ከምዝፈታተኖ ዶክተራ ሓቢርዋ። በዚ ምኽንያት’ውን ንቓንዝኣ እናተጻወረት ክንድዝኸኣለቶ መግቢ ክትወስድ ፈቲና። ሓገዝ ሕክምና ንኽትርከብ ብዝብል ናብ ሓደ ማእኸል ምስተወሰደት ኣብ መዓልቲ ሽድሽተ ጊዜ መግቢ ክትምገብ ተነጊርዋ። ሰለስተ ጊዜ ክብድ ዝበሉ መግብታት ሰለስተ ጊዜ ድማ ከም ብሽኩቱ ዝበሉ ቅልል ዝበሉ ክትወስድ ግድን ነይሩ። ንሳ ነቲ ዝቐረባለ መግቢ ከይወደአት ካልኦት ተሓከምቲ ካብ ኮፍ ዝበሉሉ ቦታ ክለዓሉ ኣይፍቀደሎምን። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ተሓከምቲ ይቕየምዋ ምንባሮም ትዛረብ። ኩሎም ተሓከምቲ ከኣ ብድሕሪ መኣዲ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ጥቡቕ ክትትል ይግበረሎም ነይሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብዝተፈላለየ መገዲ ነቲ መግቢ ከየውጽእዎ ብዝብል’ዩ። ሎሚ ከመይ ኣላ? ንዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ምርመራን መጽናዕትን ፍርቂ ክፋል ከብዲ ሎሬታ ካብ ረብሓ ዘይብሉ ምዃኑ ተረጋጊጹ። እቲ ሕማም ብዘርኡ (ብተዋርሶ) ከምዝመጽእ እውን ሓኻይም ክፍልጡ ኪኢሎም። በዚ ምኽንያት ድማ ሎሬታ መግቢ ክትምገብ ክትግደድ ከምዘይብላ ተፈሊጡ። መግቢ ናብ ኣፋ ካብ ዝሓልፍ ከኣ ሽድሽተ ዓመታት ተቖጺሮም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን ንመግቢ ዝትክእ ነገር እትረኽበሉ መገዲ ን 18 ሰዓታት ብኢዳ ተሸኪመቶ ብእትዘውር ቱቡ ኣቢላ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ትቦ ብኣፍልባ ሰጊሩ ነቲ ብፈሳሲ መልክዕ ዝተዳለወ መግቢ የመሓላልፍ። ሎሬታ ግን ነዚ ኩሉ ቃንዛ ተጻዊራ ነቲ ፈጺማ ክትለኽፎ ዘይትኽእል መግቢ ከሺና ክተዳሉ ትውዕል ኣላ። ነቲ እተዳልዎ መግቢ ክትጠዕሞ ዘይምኽኣላ ድማ ኣብ ኢንስታግራም ብዙሓት ሰዓብቲ ክተፍርይ ምኽንያት ኮይኑ’ሎ። ክልተ ወነንቲ ቤት-መግቢ ብምትላል ተኸሲሶም 1,446 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪድዎም ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ንኽልተ ወነንቲ ቤት መግቢ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ምትላል [ምጥፍፋእ] ፈጺሞም ብምባል ነብሲ ወከፎም 1,446 ዓመታት ክእሰሩ በይኑ። እዞም ክልተ ሰባት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ መርብብ ሓበሬታ ንዓማዊሎም ሓደ ሓበሬታ ዘርጊሐምሎም። ንዓማዊሎም ኣቀዲምካ ዝኽፍል፡ ሌምጌት ዝብሃል ፍቱው ዓይነት መግቢ ነናብ ገዝኦም ከምዘምጽእሎም ብምሕባር ካብ 20 ሸሕ ሰባት 1.6 ሚልዮን ዶላር ተቐቢሎም። ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ንዓማዊሎም ነቲ መግቢ ከየቕረቡ ጠለብ በዚሕና ብምባል ትካሎም ዓጽዮም። እቶም መግቢ ኣይመጸኣናን ሰልድና'ውን ኣይተመለሰልናን ዝበሉ ኣማኢት ሰባት ድማ ኣብ ልዕሊ እዞም ክለተ ሰባት ክሲ መስሪቶምሎም። እዞም ኣፒቻት ቦዎረንባናቻራክን ፕራፓሶርን ቦዎረንባናቻራክ ዝተባሃሉ ታይላንዳውያን ተታሒዞም ናብ ፍርዲ ምስ ቀረቡ፡ ነብሲ ወከፎም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም። ኣብ ታይለናድ ብምጥፍፋእ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሰብ ን 20 ዓመታት ክእሰር ዘገድድ ሕጊ ኣሎ። እዞም ክልተ ወነንቲ ቤት መግቢ ከኣ ነቲ ብታይላንዳውያን ፍቱው ዝኾነ መግቢ ብሕሱር ክንሸጠልኩም ኢና ብምባል ካብ ዓማዊሎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ብምቅባሎምን ነቲ መግቢ ከም ቃሎም ናብ ዓማዊሎም ስለዘየብጽሕዎ'ዮም ንብዙሓት ሰባት ብምትላል ብዝብል ፍርዶም ክተርር ክኢሉ። እቲ ቤት ፍርዲ እዞም ክልተ ሰባት ነቲ ዝቐረበሎም ጠለብ ናብ ሰብ ከቅርብዎ ስለዘይከኣሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ትካሎም ከምዝዓጸውዎ እዩ ዝገልጽ። መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር፡ እቲ ትካል ካብቶም 818 ምሉእ ንምሉእ ኣቐዲሞም እቲ መግቢ ክቀርበልና ኢሎም ዝኸፈሉ ናይቶም 375 ሰባት ሰልዲ ከምዝተመለሰሎም ገሊጸን። እቶም ገንዘቦም ዘይተመለሰሎም ክሲ ስለዝመስረቱ እዩ ድማ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ። እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ 723 ሰባት ምትላል ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ እቶም ክሱሳት ገበነኛታት ኮይኖም ረኺበዮም ብምባል ነብሲ ወከፎም 1446 ዓመታት ክእሰሩ ውሳነ ኣሕሊፉ። እንተኾነ እቶም ክሱሳት ጌግኦም ስለዝኣመኑ እቲ ፍርዶም ብፍርቂ ጎዲሉ ነፍሲ ወከፎም ን723 ዓመታት ክእሰሩ እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣሕሉፉ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ማእሰርቲ ነቶም ገንዘቦም ዘይመለስሎም ሰባት ሰልዶም ክመልስሎም'ውን ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። እዚ ነዞም ክልተ ሰባት ዝፈረደ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት'ውን ንሓደ ብምጥፍፋእ ዝተኸሰሰ ሰብ ን13 ሽሕ ዓመታት ክእሰር ምፍራዱ ይዝከር። እዚ ቤት ፍርዲ ድኣ እዚ ወሳነ የሕልፍ'ምብር ብሕጊ ታይላንድ ብምጥፍፋእ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሰብ ልዕሊ 20 ዓመት ከይእሰር ዝኽልክል ሕጊ ኣሎ። ኣዲስ ኣበባ፡ ተምሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ኣብ ቤት ምህርቲ ብናጻ ምምጋብ ክጅምሩ'ዮም ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብዚ ዝኸይድ ዘሎ ዓመተ-ትምህርቲ ንልዕሊ 300 ሽሕ ተምሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ብናጻ ምምጋብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ። ነቲ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝወሃብ ናይ መግቢ ኣገልግሎት ንምጅማር ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ፡ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ኣቶ ዘላለም ሙላቱ ንቢቢሲ ሓቢሩ። "ቅድሚ ሕጂ ን70 ሽሕ ተምሃሮ ክንምግብ ጸኒሕና ኢና፡ ሕጂ ግን እቲ ፕሮግራም ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ'ዩ ክግበር" ድሕሪ ምባል፡ መመገቢ ኣደራሻትን መስርሒ ቦታታትን እናተዳለወ ይርከብ ኢሉ። ኣብ መንግስታዊ ቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝርከቡ ተምሃሮ፡ መብዛሕቶም ወለዶም ትሑት እቶታት ዘለዎም ምዃኖም ዝጠቐሰ ኣቶ ዘላለም፡ "ንደቆም መጊቦም ናብ ቤትምህርቲ ክልእኩ ዘይክእሉ ብርክት ዝበሉ'ዮም" ኢሉ። እቲ ናይ መግቢ ኣገልግሎት፡ ናይቶም ተምሃሮ ፍልጠት ናይ ምቕባል ዓቕሚ ልዑል ኣብ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሰንኪ ስእነት መግቢ ካብ ትምህርቲ ዝቦኽሩ ቆልዑ'ውን ከም ዝጎድል እቲ በዓልመዚ ተዛሪቡ። ናይቲ መደብ ወጻኢ ምምሕዳር እታ ከተማ ክሽፍኖ ምዃኑን፡ ወለዲ ተምሃሮ ድማ ተወዲቦም ነቲ መግቢ ኣብ ምድላውን ካልእ ኣበርክቶን ክገብሩን ምዃኖም ተፈሊጡ። "እቲ መደብ፡ ንወለዲ'ውን ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር'ዩ" ዝበለ ኣቶ ዘላለም፡ ዝተወሃሃደ ስራሕ ከም ዝኾነ ዘርኢ'ዩ ይብል። ኣቶ ዘላለም፡ ንመንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ከተማ ዝገበረለን ዘሎ ምሕዳስ ስለዘይተወድአ፡ ናይ ሕጂ ዓመተ-ትምህርቲ ከምቲ ተመዲቡሉ ዝነበረ ኣብ ዝመጽእ ሰኑይ ከይጅምር ይኽእል'ዩ ኢሉ። "ናይ ምሕዳስ ስራሓት ብዘይምውድኡ፡ ክሳብ ዓርቢ ተጸቢና፡ ትምህርቲ ዝጅመረሉ መዓልቲ ከነናውሖ ንኽእል ኢና።" ኣዕራብ፡ ስለምንታይ'ዮም ዲሞክራሲ ንቝጠባ ከም ዘዳኽሞ ዝኣምኑ? ኣዕራብ፡ ስለምንታይ'ዮም ዲሞክራሲ ንቝጠባ ከም ዘዳኽሞ ዝኣምኑ? ኣዕራብ፡ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ቍጠባዊ ምርግጋእ ንምርግጋጽ ኣብ ዴሞክራሲ ዘለዎም እምነት ይስእኑ ከም ዘለዉ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ቢቢሲ ኒውስ ዓረብን መርበብ ዓረብ ባሮሜትርን ኣብ ትሸዓተ ሃገራት ከምኡ'ውን ግዝኣታት ፍልስጤምን ዝርከቡ ኣስታት 23 ሽሕ ሰባት ቃለ-መሕትት ገይሮምሎም። ኣብቲ መጽናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ እቶም ዝበዝሑ ኸኣ፡ ‘ቁጠባ ኣብ ትሕቲ ዴሞክራሲ ድኹም እዩ’ ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም። እዚ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ እቲ ቀውዒ ዓረብ [Arab Spring] ብዝብል ዝፍለጥን ንዴሞክራስያዊ ለውጢ ዝጽውዕን ተቓውሞታት ካብ ዝካየድ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት’ዩ ወጺኡ ዘሎ። ተቓውሞታት ካብ ዝውላዕ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ሓንቲ ካብተን ሃገራት ዝዀነት ቱኒዝያ ዴሞክራሲያዊት ክትከውን ክኢላ። እንተዀነ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐረበ እማመ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) እንተጸዲቑ፡ ነታ ሃገር ናብ ምልካዊ ስርዓት ክመልሳ ይኽእል ዝብል ስግኣት ኣሎ። ዳይሬክተር ዓረብ-ባሮሜተር ብዝብል ዝፍለጥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስተን ዝርከብ መርበብ መጽናዕቲ ሚኪኤል ሮቢንስ፡ ካብቲ ብ2018/19 ዝተኻየደ ዳህሳስ ንደሓር ኣብ ዴሞክራሲ ዘሎ ኣረኣእያ ዞባዊ ለውጢ ከም ዝተራእየ ይዛረብ። "ዴሞክራሲ ፍጹም ስርዓተ መንግስቲ ኣይኮነን፤ ንዅሉ ነገራት ምዕሩይ ክገብር ኣይክእልን ዝብል ግንዛበ እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ" ይብል። "ኣብ መላእ እዚ ዞባ ንርእዮ ዘለና፡ ሰባት ይጠምዩ፡ ባኒ ይደልዩ፡ በቲ ዘለዎም ስርዓታት ተስፋ ይቘርጹ ኣለዉ፡" ክብል’ውን ወሲኹ ይገልጽ። ኣብ መብዛሕትአን እተን ዳህሳስ ዝተገብረለን ሃገራት፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ቁጠባ ኣብ ትሕቲ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ድዅም እዩ ኣብ ዝብል ይሰማምዑ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ዳህሳስ ዝተገብረለን ሃገራት ካብ ዝተሳተፉ ሰባት፡ እቶም ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ሃገሮም ብዘሎ ዓይነት መንግስቲ ዘይኰነስ ኣድማዕነት ፖሊሲታት መንግስቶም ብዝያዳ ከም ዘተሓሳስቦም ይሰማምዑ። ንሃገራት ብጉዳይ ዴሞክራሲ ዝዕቅንን ዝሰርዕን ‘EIU Democracy Index’ ከም ዘመልክቶ፡ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ካብ ኵለን ኣብቲ መዐቀኒ ዝተዳህሰሳ ዞባታት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ። እስራኤል ኣብ “ጕድለት ዘለዎ ዴሞክራሲ" ክትምደብ እንከላ፡ ቱኒዝያን ሞሮኮን ኣብ "ዝተዳቐለ (ሕውስዋስ) ስርዓታት" ይምደባ፤ ዝተረፈ ክፋል እቲ ዞባ ድማ "ምልካዊ" ይምደብ። ኣብ 7 ሃገራትን ግዝኣታት ፍልስጤምን፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ነገራት ንምፍጻም ኣገዳሲ ኰይኑ እንተተረኺቡ፡ ሃገሮም "ሕግታት ክጥምዝዝ" ዝኽእል መራሒ ከም ዘድልያ ይሰማምዑ። ኣብ ሞሮኮ ጥራይ ግን፡ ትሕቲ ፍርቂ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ዳህሳስ ምስቲ ኣበሃህላ ዝሰማምዑ። ብርግጽ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም፡ ዮርዳኖስን ሱዳንን እውን ምስቲ መግለጺ ዘይሰማምዑ ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣብ ቱኒዝያ ካብ 10 እቶም ሸሞንተ ሰባት ምስቲ መግለጺ ዝሰማምዑ ኰይኖም፡ ካብ 10 እቶም ትሽዓተ፡ ፕረዚደንት ስዒድ ኣብ ሓምለ 2021 መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ንምውጋድን ባይቶ ንምእጋድን ዝወሰዶ ስጕምቲ ይድግፍዎ። ተቓወምቱ ዕልዋ መንግስቲ ክብሉ እንተዀነንዎ’ውን፡ ንሱ ግን ብልሹው ፖለቲካዊ ስርዓት ንምእላይ ኣድላዪ ስጕምቲ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ቱኒዝያ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2011 ዝተኻየደ ቀውዒ ዓረብ፡ ቀጻሊ ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ክትምስርት ዝኸኣለት እንኮ ሃገር’ያ። ይዅን እምበር ቱኒዝያ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ስዒድ ናብ ምልካዊ ምሕደራ ትምለስ ዘላ ትመስል። ብመሰረት መዐቀኒ ዴሞክራሲ EIU 2021፡ እታ ሃገር ብ21 ደረጃታት ወሪዳ፡ "ጕድለት ዘለዎ ዴሞክራሲ" ዘይኰነስ "ዝተዳቐለ ስርዓት" ተባሂላ ተመዲባ ኣላ። መጽናዕቲ ቱኒዝያ፡ ኣብ መንጐ ጥቅምትን ሕዳርን 2021 ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣንጻር እቲ ፕረዚደንት ተቓውሞታት ክካየድ ጸኒሑ'ሎ። ምኽንያቱ ንሱ ባይቶ ብምፍራስን ንኮሚሽን ምርጫ ብምቍጽጻርን ስልጣኑ ኣጽኒዑ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ቁጠባ እታ ሃገር ናብ ቅልውላው የንቆልቁል ኣሎ። "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ቱኒዝያ ናብ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምምላስ ትርከብ፣ ወይ ድማ ዴሞክራሲኣ ናብ ድሕሪት ኣብ ምምላስ ይርከብ። እዚ ድማ ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ኵነታት'ዩ" ይብል ኣባል መስረት'ቲ ዓረብ ባሮሜተርን ዲን ቤት ትምህርቲ ህዝባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ፕሪንስተን፡ ኣማነይ ጀማል። ኣብ ሸውዓተ ሃገራትን ግዝኣታት ፍልስጤምን፡ ቍጠባዊ ኵነታት ልዕሊ ብልሽውና፡ ዘይምርግጋእን ዝርግሐ ኮቪድ-19ን ብድሆ ኰይኑ ይርከብ። ቍጠባዊ ኵነታት ከም ወሳኒ ጉዳይ ዘይረአ፡ ኣብ ክልተ ሃገራት ጥራይ እዩ። ንሱ ድማ ኣብታ ብልሽውና በዳሂ ዝኾነላ ዒራቕን፡ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሊብያን ከም ዝዀነ እቲ መጽናዕቲ የመልክት። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዳህሳስ ዝተገብረለን ሃገራት ብውሑዱ ሓደ ካብ ሰለስተ ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተወሳኺ ዘድልዮም መግቢ ንምዕዳግ እኹል ገንዘብ ቅድሚ ምርካቦም፡ እቲ ዝሓዝዎ መግቢ ከም ዝተወድኦም ይገልፁ። ግብጽን ሞውሪታኒያን መግቢ ምርካብ ኣዝዩ በዳሂ ዝዀነለን ሃገራት’የን። መብዛሕትኡ'ቲ መጽናዕቲ፡ ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዩክረይን ቅድሚ ምውራራ ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ፡ ኣብዚ እዋን ግን እቲ ኲናት ኣብ መላእ እቲ ዞባ - ብፍላይ ነተን ኣብ ሰደድ ስርናይ ሩስያን ዩክረይንን ብብዝሒ ዝምርኮሳ ግብጺ፡ ሊብያን ቱኒዝያን - ንዘሎ ውሕስነት መግቢ ዝያዳ ሃስይዎ ኣሎ። ዝነበሮም መግቢ ምስወድኡ ተወሳኺ ክገዝኡ ከም ዘይክእሉ ዝተገለጹ፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ብፍላይ ካብ ሱዳን፡ ሞሪታኒያን ሞሮኮን ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ዝበዝሑ ሰባት ንዴሞክራሲ ዘለዎም ድጋፍ ዝተሓተ’ዩ። ሊባኖስ ካብ ኵለን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ሃገራት ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ተሰሪዓላ። ካብቶም ዝተሓተቱ ሊባኖሳውያን ትሕቲ 1 ሚእታዊት፡ ህሉው ቁጠባዊ ኵነታት ሃገሮም ጽቡቕ እዩ ይብሉ። ባንኪ ዓለም፡ቁጠባዊ ቅልውላው ሊባኖስ ካብ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ኣብ ዓለም ካብ ዘጋጠሙ ኣዝዮም ከበድቲ ቅልውላዋት ሓደ ክብል ይገልፆ። መብዛሕትኦም ሰባት ቁጠባዊ ኵነታት ሃገሮም ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ዓመታት ክመሓየሽ እዩ ዝብል ትጽቢት የብሎምን። ይዅን እምበር ገለ ተስፋ ኣሎ። ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት፡ ልዕሊ ሲሶ ካብቶም ዳህሳስ ዝተገብረሎም ዜጋታት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ዓመታት እቲ ኵነታት ዝሓሸ ወይ ብመጠኑ ዝሓሸ ክኸውን ምዃኑ ይዛረቡ። እቲ መጻኢ "ዘተኣማምን ኣይኮነን" ይብል ዶክተር ሮቢንስ ካብ ዓረብ ባሮሜተር። ዜጋታት እቲ ዞባ፡ ከምቲ ኣብ ቻይና ዘሎ - ምልካዊ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት - ዝኣመሰሉ ኣማራጺ ፖለቲካዊ ስርዓታት ክጥምቱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ፡ "ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ካብ ድኽነት ኣውጺኡ" ይብል። "ቅልጡፍ ዝዀነ ዓይነት ቍጠባዊ ምዕባለ ብዙሓት ሰባት ዝደልይዎ'ዩ" ክብል ድማ ወሲኹ የረድእ። ካፍ ንምንታይ እዩ ስታድየማት ኢትዮጵያ "ይተሓረሱ" ኢሉ? ጋንታታት ኢትዮጵያ ኣብ ሜድአን ክገብርኦ ዝግባእ ዝነበረ ፀዋታታት ኣብ ናይ ካልእ ሃገራት ሜዳ ምፅዋት ካብ ዝጅምራ ጸኒሐን እየን። ናይዚ ምኽንያት ድማ ንረቛሕታት ካፍ ዘማልኡ ስታድየማት የብልኩምን ስለዝተብሃላ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ክልላት ኢትዮጵያ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ዝሕዙ ስታድየማት ኣለዉ። ንምንታይ ድኣ እዩ ካፍ፡ ኢትዮጵያ ስታድየም የብላን ዝብል? ካብ ናይ ቀረባ ግዘ ፍፃመ ንበገስ። ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምስታፍ፡ መፃረይ ግጥም ንምክያድ ትዳሎ ኣላ። ግብፅን ማላውን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትርከበሉ ምድብ ተመዲበን ይርከባ። ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ተፃወትቲ ዋልያ (ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ)፡ ፈለማ ፀዋታ ካብ ሜድኦም ወፃኢ ምስ ማላዊ ክገጥሙ እዮም። ቀፃሊ ግጥሞም ግና ምስ ግብፂ ኣብ ገዛእ ሜድኦም ከምዝኾነ፡ መደባት እቲ ፀዋታ ይሕብር። እንተኾነ ካፍ፡ እዚ ፀዋታ’ውን ኣብ ማላዊ ክካየድ ወሲኑ እዩ። ፕረዝደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ማላዊ ዋልተር ኒያሚላንዱ፡ "ኣብ ሃገረይ ዘለኹም ደገፍቲ ሊቨርፑል ሞ ሳላሕ ክመፀልኩም እዩ፤ እንኳዕ ደስ በለኩም" ዝብል መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ። ብዙሓት ድማ፡ እዚ ናይ ግብፂ ውዲት እዩ ይብሉ። ነዚ ድማ ናይ ሞ ሳላሕ ሃገር፡ ናይ ኢትዮጵያ ሜዳ ኣይምጥነን ኢላ ቅረታ ስለዘቕረበት እዩ እዚ ኮይኑ ዝብል ምኽኒት ከቕርቡ ይስምዑ። ንኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብቀረባ ዝከታተሎ ፍሬው ኣስራት ግና፡ "ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኮሚሽን ስፖርትን፡ ብመሰረት ካፍ ዝሓተቶም 'ሜዳይ ኣመሓይሸ እየ፤ ምርመራ ይገበረለይ' ኢሎም ብዝሓተትዎ መሰረት'ዩ ምርመራ ተገይሩ" ይብል። ብመሰረት እዚ ሕቶ፡ ናይ ካፍ መርማሪ ዝኾነ ውልቀሰብ ቅደሚ ሒደት ሰሙናት ናብ ስታድየም ባህርዳር ብምምፃእ፡ ፅሬት እቲ ሜዳ ተዓዚቡ ተመሊሱ እዩ። "እዚ ማለት፡ ግብፂ እቲ ሜዳ ይመርመረለይ ኣይበለትን ማለት ኣይኮነን። ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግብፂ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ናብ ካፍ ደብዳበ ኣእትዩ ነይሩ። እንተኾነ ካፍ፡ ብመሰረት ሕቶ ኢትዮጵያ እዩ" ይብል ፍሬው። ግብፂ ነዚ ሕቶ ዘቕረበት፡ ንናይ ኣዲስ ኣበባ ብራኸ (ኣልቲትዩድ) ብምፍራሕ'ምበር ብዋናነት ጉዳይ ሜዳ ንምፍታሽ ኣይኮነን ይብል። ልኡኽ ካፍ ንስታድየም ባህርዳር ምስ መርመረ፡ ነዚ ውፅኢት ብሃንቀውታ ይፅበዩ ንዝነበሩ ሰብመዚ እወንታዊ ኣይነበረን። እቲ መርማሪ፡ "እንታይ ኣጉዲልና?" ኣብ ዝብል ስምዒት ንዝነበሩ ሰብመዚ ስፖርት ፌደራልን ክልልን፡ "እቲ ሜዳ ይተሓረስ" ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቲ መርማሪ፡ ስታድየም ባህርዳር፡ ነቲ ዝተሓተ ረቛሒታት ካፍ እውን ኣየማልእን ክብል ገሊፁ። ፍሬው፡ "ብርግፅ ስታድየም ናይ ምህናፅ ፀገም የብልናን። እንተኾነ እቶም ስታድየማት ካፍ ዝጠልቦም ረቛሕታት ኣማሊኦም ኣይህነፁን። ደጋዊ ቁመንኦም ዝስሕብ፡ ኣወዳድእኦም ግና ዘቕይም ይኸውን" ይብል። ካፍ፡ 'ሚኒመም ስታንዳርድ' ዝብሎም፡ ካልእ እንተተረፈ እዚኦም ኣማልኡለይ ዝብሎም ረቓሒታት ኣለው። ፍሬው፡ ንገለ ካብ’ቶም ረቛሒታት ብኸምዚ ይጠቕሶም። "እቲ ቀደማይ መፃወቲ ሜዳ እዩ። መብዛሕትኦም ስታድየማት መፃወቲ ሜድኦም ዝናብ ክወቅዕ እንከሎ ማይ ዘዕቁር እዩ። መብዛሕትኦም ስታድየማትና ነዚ ክኣልይ ዝኽእል ስርዓት ፈሳሲ (ድሬይኔጅ ሲስተም) የብሎምን። ካብዚ ወፃኢ ድማ ክዳን መኽደኒ ክፍልታትና መቐመጢ የብሎምን። እዚ ድማ ንረቛሕታት ክንወድቕ ካብ ሞንጎ ዝገብረና እዩ" ይብል። ፍሬው ይቕፅል. . . "መብዛሕትኦም ንደገፍቲ ዝተሰርሐ ኮፍ መበሊ የብሎምን። እዚ ድማ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ” ይብል። ፍሬው ወሲኹ መብዛሕትኦም ሜዳታት፡ ኣብ ምሸት ፀዋታት ንምክያድ ዘኽእል መብራህቲ ከምዘይብሎም ይገልፅ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ "ካፍ፡ ስታድየማት እነተተኻኢሉ ናሕሲ ንክህልዎም ይጠልብ። ናትና ስታድየማት ድማ ነሕሲ የብሎምን። ካልእ ድማ ጉዳይ ምሉእ ቴክኖሎጂ ዝተገጠመሉ 'ሚድያ ሩም' እዩ፡ እዚ'ውን ኣየማላእናን . . . . ሓሓሊፉ ድማ ደረጅኡ ዝሓለወ፡ ክፍሊ ሕክምና ክህልወና የገድድ" ይብል። ከም ኣገላልፃ ፍሬው፡ ካብቶም ልዕል ክብል ዝተገለፁ ረቛሕታት ዝተወሰኑ እኳ እንተተማሊኦም፡ ፀዋታት እናተኻየዱ መመሓየሽታት ክግበሩ ይደሊ፤ እንተኾነ ንባህርዳር ሓዊሱ ኩሎም ስታድየማት ነቲ ዝተሓተ ረቛሒ እውን ኣየማልኡን። "ካፍ፡ ንስታድየም ባህርዳር ምስ ተዓዘበ፡ እቲ ሜዳ እንደገና ተሓሪሱ ሰዓሪ ይተኸሎ እዩ ኢሉ። መእለይ ፈሳሲ (ድሬይኔጅ ሲስተም) ንክስተኻኸል እውን ኣገንዚቡ። ፅሬት ኣለዎ ንብሎ መቐየሪ ክዳን እቲ ስታድየም እውን፡ ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ ኣለዎ ዝብል ግብረ መልሲ ሂቡ" ይብል። ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ስታድየማት ናይ ምህናፅ ኮነ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት የብለይን ይብል። ዋና ፀሓፊ እቲ ፌደሬሽን ባህሩ ጥላሁን፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር፡ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ስታድየም ናይ ምህናፅ ኮነ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት የብሉን ይብል። "ናትና ስልጣን ምስፋሕ ኩዕሶ እግሪ እምበር፡ ምህናፅ መሰረተ ልምዓት ኣይኮነን። መንግስታት ፌደራልን ክልልን እዮም እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም" ዝብል እቲ ፀሓፊ፡ "እዚ ማለት ግና እቲ ፈደሬሽን ቴክኒካል ሓገዝ ኣይህብን ማለት ኣይኮነን" ይብል። ኣይተ ባህሩ፡"በዚ ሞያ ልምዲ ዘለዎም ሰብ ሞያ ምስ መንግስቲ ምርኻብ፣ ኤክስፐርታት ናይ ምቕራብ ስራሕ፡ ናይ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንብዙሕ ግዘ ስታድየማትና ከይተኣገዱ ዝፀንሑ፡ ብፃዕሪ ፕረዝደንት እቲ ፌደሬሽን እዩ" ይብል። "ዝበዝሕ ግዘ፡ ኣብ ባህርዳር ፀዋታት ነካይድ ዝነበርና ብገደብ እዩ ነይሩ። እዚ ውፅኢት ዲፕሎማሲ ኩዕሶ እግሪ እዩ። ፕረዝደንት እቲ ፌደሬሽን ዘለናሉ ኩነታት ንካፍ እናረድአ እዩ እዚ ክኸውን ፀኒሑ። እምበር ካፍ ሙሉእ ብሙሉእ ስታድየማትና ክእግድ ዝሓሰበ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ነይሩ" እቲ ዋና ፀሓፊ፡ ካፍ በብ እዋኑ ዝልእኸሎም ደብዳበታት ንኮምሽን ስፖርት ክልል ኣምሓራ ብምቕራብ፡ መፍትሒ ንምንዳይ ይሰርሕ ከምዝበረ የብርህ። "ዋላ'ኳ ዝተወሰነ ምምሕያሽ እንተገበርና፡ ካፍ ብዝደልዮ መልክዕ ግና ኣይነበረን። ካፍ እውን ምምሕያሽ ከምዘሎ ኣሚኑ እዩ፤ እንተኾነ በዚ ደረጃ ፀዋታ ምክያድ ከምዘይከኣል እዩ ነጊሩና" ብምባል፡ ኢትዮጵያ ካብ ሜድኣ ወፃኢ ብምፅዋታ፡ እቲ ፌደሬሽን ዋጋ ይኸፍል ከምዘሎ ይገልፅ። እቲ ፌደሬሽን፡ ፊፋን ካፍን ብዝምድብሉን ብስፖንሰርን ብዝረኽቦ ኣታዊ ከምዝመሓደር ብምሕባር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ተባሂሉ ካብ መንግስቲ ዝምደበሉ ገንዘብ ከምዘየለ ይሕብር። "ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ጋና ፀዋታ ተመልኪትና ኢና። ሕዚ ድማ ኣብ ማላዊ ምስ ግብፂ ክንገጥም ተሊምና ኣለና። ንማላዊ ዝመረፅና ወፃኢ ምእንታን ክንቁጥብ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ተፃወትትና ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብምምላስ ከይደኽሙ ስለዝሓሰብና እዩ። እዚ ዘሕፍር እምበር ዘኹርዕ ኣይኮነን" ብምባል ገንዘብ ምስ ዝሰኣን ግና ውድድር ክሳብ ምቁራፅ ክበፅሑ ከምዝኽእሉ ይገልፅ። ፍሬው እውን ምስ ሓሳብ እቲ ዋና ፀሓፊ እዩ ዝሰማማዕ። እንተኾነ ግና፡ ዝጥቀመሉ ስታድየም ክሳብ ዝኾነ፡ ስታድየማት ፅሬት ሓልዮም ንክህነፁ ፀቕጢ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ከምዘለዎ ይኣምን። ዋላ'ኳ ስታድየማትና፡ ትሕቲ መምዘኒታት ካፍ እንተኾኑ፡ ሕዚ ዝሕደስ ዘሎ ስታድየም ኣዲስ ኣበባን ህንፀት ስታድየም ኣደይ ኣበባን ግና ተስፋ ዘስንቑ ከምዝኾኑ ይገልፅ። ስታድየማት ድሬዳዋን ባህርዳርን እውን፡ ኣብዚ ዓመት ንረቛሕታት ኣማሊኦም እንተውሓደ ኣብዚ ዓመት ክዛዘሙ ከምዝኽእሉ ፍሬው የእንፍት። "ብኣንፃር ምስ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት፡ ብሓደ ግዘ ስታድየማት ምዝዛም ዝኸብድ እመስለኒ" ዝብል ፍሬው፡ ሕዚ ሚኒስትር ስፖርት ይገብሮ ዘሎ፡ ዝተጀመሩ ስታድየማት ደረጃ ብደረጃ ናይ ምውዳእ ስጉምቲ ዘዋፅእ ከምዝኾነ የብርህ። "ርሒቑ እንተተብሃለ፡ ዋልያ ኣብ ዝቕፅል ፍርቂ ዓመት ኣብ ሜድኦም እንትፃወቱ ንርኢ ንኸውን" ይብል። ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ 97 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ ኣስታት 100 ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተፈትሑ ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን። እቶም ትማሊ ሰንበት ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ምዃኖም እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም። ጠንቂ ማእሰርቶም ኣብ ማያት ኤርትራ ክገፉ ብምርካቦም'ዩ ተባሂሉ። ይኹን እምበር፡ ኤርትራ ብዛዕባ ማእሰርቶም ይኹን ምፍትሖም ዝሃበቶ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። ኣል-ኣሕራም ዝተባህለት ሓውሲ-መንግስታዊት ጋዜጣ ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ፡ "ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣስታት 100 ግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብሰንበት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም" ክብል፡ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሽኩሪ ምስ ኤርትራዊ መዘናኡ ዑስማን ሳልሕ ብቴለፎን ምርኻቡን፡ ንምፍትሖም ንኣዋርሕ ዝወሰደ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክካየድ ምጽንሑ'ውን ጠቒሱ። 'ኢጂፕት ኢንድፐንደንት' ዝተባህለ ናይ መርበብ ማዕከን ዜና ብወገኑ፡ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ብምዃን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ ክገፉ ከምዝተታሕዙ ገሊጹ። "ስድራቤታት እቶም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ንምፍትሖም ሓደ ህዝባዊ ሽማገለ ብምቛም፡ ንኩሎም ዝምልከቶም ሰብመዚ ረኺቦሞም" ክብል'ውን ንሓደ ጠበቓ ብምጥቃስ ጸብጺቡ። ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ግብጺ ኣብቲ ንምፍትሖም ዝተገብረ ጻዕርታት ተራ ከምዝነበሮ'ውን እቶም ማዕከናት ዜና ሓቢሮም። ገፈፍቲ ዓሳ ግብጺ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ክሊ ማያት ሃገሮም ወጻኢ ክገፉ ተረኺቦም ክእሰሩ እዚ ናይ ፈለማ እዋን ኣይኮነን። ግብጺ፡ ንመትረብ ስዊዝ ዓጽያ ዝቐነየት ዓባይ መርከብ ተንቀሳቒሳ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣብ መትረብ ስዊዝ ተሸኺላ ዝቐነየት ኮንቴነር ዝጸዓነት ዓባይ መርከብ ከምዝተንቀሳቐሰት ተገሊጹ፡፡ እታ 400 ሜትር ንውሓት ዘለዋ ብ ‘ኤቨር ጊቭን’ እትፍለጥ መርከብ፡ ካብቲ ገምገም ባሕሪ ተሳሒባ ተንቀሳቒሳ ከምዘላ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም፡፡ እታ መርከብ ክተንሳፈፍ ብቪድዮ ከምዝተራእየን፡ ካልኦት ማያዊት ኣካላት ከምዘረጋገጽዎን ተፈሊጡ። እታ መርከብ፡ ካብቲ ዝተሸከለትሉ ምንቅስቓሳ፡ ጉዕዞታት ድሕሪ ሰዓታት ናብ ንቡር ከምዝምለስን፡ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ዋጋ 9.6 ቢልዮን ዶላር ኣቑሑት ክጅመር ከምዝኽእልን ተስፋ ሂቡ ኣሎ፡፡ መስመር ናይታ መርከብ 80 ምእታዊት ዝተጸረገ ኮይኑ፡ እታ መርከብ ደጊማ ክትንሳፈፍ ናይ ምግባር ስራሓት ከምዝተጀመረ ሓለፍቲ ስዊዝ መትረብ ገሊጾም፡፡ ነታ መርከብ ናብ መጸበዪ ምንቅስቓስ ምስተኽኣለ ድማ ጉዕዞ መራኽብ ክጅመር ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡ 200 ሽሕ ቶን ክብደት ዘለዋ መርከብ ኤቨር ጊቭን፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ንፋስን ማዕበል ንመቆጻጸሪኣ ብምሽፋኑ ብሰሉስ ንጉሆ ተሸኺላ፡፡ ብሰንበት፡ ሓለፍቲ እቲ መትረብ፡ ክብደት እታ መርከብ ንምቕናስ፡ ኣስታት 20 ሽሕ ኮንቴነራት ንምርጋፍ ይዳለዉ ነይሮም፡፡ ኣስታት 12 ምእታዊት ንግዳዊ ምንቅስቓስ ዓለም፡ በቲ 193 ኪሜ ንውሓቱ መትረብ ስዊዝ ኣቢሉ እዩ ዝሓልፍ፡፡ መትረብ ስዊዝ ማእካይ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ዘራኽብ ኮይኑ፡ ኣውሮጳን ኤስያን ዘራኽብ ዝሓጸረ ማያዊ መገዲ እዩ፡፡ ብደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ‘ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ’ ኣቢሉ ዝኸይድ ኣመራጺ መገዲ ዝያዳ ጉዕዞ ክልተ ሰሙን ዝወስድ እዩ፡፡ ቻይና ብገበን ዝተጠርጠሩ ዲፕሎማሰኛታታ ካብ ብሪጣንያ ስሒባ ቻይና ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ማንቸስተር ኣብ ዝርከብ ቆንስላ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታታ ዝርከቦም ሽዱሽተ ሰበስልጣናታ ካብ ብሪጣንያ ክወጹ ገይራ። ብሪጣንያ፡ መርመርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጥቅምቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ሕቶታት ምእንቲ ክሓትዎም መሰል ዲፕሎማስያዊ ነጻነት ናይቶም ሰበስልጣን ክለዓል ሓቲታ ነይራ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጀምስ ክለቨርሊ፡ ካብቶም ሽዱሽተ ሕጂ ዋላ ሓደ ናብ ፍትሒ ከምዘይቀርብ ተስፋ ምቝራጹ ገሊጹ። እቲ ጕጅለ ሰበስልጣን ነቲ ንሓደ ሰልፈኛ ከምዘይሃረመ ዝኸሓደ ጀነራል ቆንስል ዠንግ ሺዩዋን ዘጠቓለለ እዩ። ደጋፊ ዲሞክራሲ ሰልፈኛ ቦብ ቻን ዝተባህለ ሆንግኮንጋዊ፡ ብ16 ጥቅምቲ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ቀጽሪ እቲ ቆንስል ጐቲቶም ኣእትዮም ድሕሪ ምቕጥቃጦም ተጐዲኡ ከምዝነበረ ይዝከር። ሓላፊ እቲ ቆንስላ ዝነበረ ዠንግ ሺዩዋን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ስእሊ እንተተለለየ፡ ኣብ ልዕሊ ቦብ ቻን መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመ ክሒዱ ነይሩ። ድሒሩ ግን ንመሳርሕቱ ክከላኸል ይጽዕር ከም ዝነበረ ንጋዜጠኛታት ብምግላጽ፡ ቦብ ቻን "ሃገረይ፡ መራሒየይ ይብድል ነይሩ” ብዝብል ከምኡ ምግባሩ “ግቡአይ ይመስለኒ" ኢሉ። ቻይና ነቶም ዲፕሎማሰኛታት ንምእላይ ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርድዳእ ንምንካይን ዝግበር ፈተነ ከምዝዀነ ይግመት። ሰበስልጣን ብሪጣንያ፡ እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣብ መርመራ ፖሊስ ክሳተፉ እንተዘይተሰማሚዖም፡ ተወሳኺ ሳዕቤን ከምዝህሉ ንኤምባሲ ቻይና ብንጹር ገሊጾም ነይሮም። ኣብ ክንድኡ ቻይና ነቶም ዲፕሎማሰኛታት ብምጽዋዕ ካብቲ ሳዕቤን ክትድሕን መሪጻ ኣላ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጀምስ ክለቨርሊ፡ ቻይና ንሚስተር ዠንግን ካልኦት ሓሙሽተ ሰበስልጣንን ምእላያ፡ ክብደት ናይቲ ብሪጣንያ ዝሃበቶ ምላሽ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጹ። "ኣብ መድረኽ ዓለምን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ንልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ክንቅጽል ኢና፡ ካልኦት'ውን ከምኡ ክገብሩ ንጽበ" ክብል ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ሓቢሩ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሽዱሽተ ሰበስልጣን ንዲፕሎማስያዊ ናጽነት ናይ ምርካብ መሰሎም ክገድፉ ከምዘለዎም ንቻይና ኣፍሊጡ ነይሩ። ቦብ ቻን ብዛዕባ ምኻድ እቶም ሰበስልጣን ኣመልኪቱ፡ "ኣብ ማንቸስተር ብሰራሕተኛታት ቆንስል ቻይና መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸመኒ ክልተ ወርሒ ኣቝጺሩ'ሎ" ኢሉ። "ሎሚ ካብቲ ቆንስል ገለ ኣባላት ናብ ቻይና ከምዝተላእኩ ይሰምዕ ኣለኹ። እዚ ንኽኸውን ክልተ ወርሒ ወሲዱ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ሓደ ካብቲ ነቲ ዝተሓላለኸ ዲፕሎማስያዊ ጸገም ዝፈትሕ መንገዲ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። "ብነጻት ክነብር ምስ ስድራይ ናብዛ ሃገር ተሰዲደ። እቲ ብ16 ጥቅምቲ 2022 ዘጋጠመ ዘይቅቡልን ዘይሕጋውን እዩ ነይሩ፣ ምስሓብ እዞም ቻይናውያን ዲፕሎማሰኛታት ድማ ናይ ግልግል ስምዒት ፈጢሩለይ’ዩ።" ብክልሰ-ሓሳብ ዲፕሎማስያዊ ነጻነት ማለት ሰበስልጣንን ስድራቤቶምን ብዝዀነ ገበን ወይ ሲቪላዊ ጉዳይ ክእሰሩ ወይ ክኽሰሱ ኣይክእሉን ማለት እዩ። መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ነበር ሰር ኢያን ዳንከን ስሚዝ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ናይቶም ዲፕሎማሰኛታት መሰል ዲፕሎማስያዊ ነጻነትን ናይ ዘይምኽሳስ ሓለዋን ብወግዒ ክትኣሊ ከምዝነበራ ይገልጽ። "ኣብ ማንቸስተር ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰላማዊ ጐስጓስ ዲሞክራሲ ዝተፈጸመ ቅሉዕ መጥቃዕቲ፡ እቶም ተሓተትቲ ብዘይ ክሲ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክወጹ ካብ ምፍቃድ ንላዕሊ ዝዀነ ስጕምቲ የድልዮ። ቻይና ንክትመልሶም ምፍቃድ ፍትሒ ኣይኮነን" ኢሉ። "ቅድሚ ሰሙናት ክንሰጎም ነይሩና።" ብሪጣንያ ሽክናታት ርእሲ ጸረ-ባዕዳውያን ተቓለስቲ ናብ ዚምባብዌ ክትመልስ’ያ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተወሲዶም ዝነበሩ ቅሪተ-ኣካላት ንምምላስ ምስ መንግስቲ ዚምባብዌ ብሓባር ከምዝሰርሑ ሃገራዊ ቤተመዘክር ታሪኽ ለንደንን ዩኒቨርስቲ ካምብርጅን ኣፍሊጦም። እዚ ዝግለጽ ዘሎ ጉጅለ ልኡኽ ዚምባብዌ ምስ ክልቲኦም ትካላት ድሕሪ ምዝርራቦም’ዩ። እቶም ቅሪተ ኣካላት ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘበን ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምቅላስ ናይ ዝፍለጡ ተጋደልቲ ናጽነት’ዮም። እቶም ቅሪተ ኣካላት ኣብ ብሪጣንያ ከምዝርከቡ ይእመን። ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ኣብ ዝተገበረ ቃልሲ፡ ነቲ ተጋድሎ ይመርሑ ናይ ዝነበሩ ፍሉጣት ሰባት ኣስከሬናት ናብ ብሪጣንያ ከምዝተወሰደ ሰበ ስልጣን ዚምባብዌ ይኣምኑ። እንተኾነ ግን ክሳብ ሕጂ ብልክዕ ኣበይ ከምዘለዉ ብንጹር ኣይፍለጥን። እቲ ኣብ 1890ታት ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ‘ፈርስት ቺሙሬንጋ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ። ነዚ ምንቅስቓስ ይመርሑ ካብ ዝነበሩ ሰባት ሓንቲ ሙቡያ ኔህንዳ ኮይና ቅሪተ ኣካሎም ካብ ዝጠፍኡ መራሕቲ’ውን እያ። ንሳ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሃራሬ ክትቕተል እንከላ፡ ካብ ሃገራውያን ጀጋኑ ዚምባብዊ ሓንቲ እያ። ሃገራዊ ቤተመዘክር ታሪኽ ለንደን ብዘካየዶ መጽናዕቲ “ካብ ዚምባብዊ መጺኦም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም” ዝተብሃሉ ዓሰርተ ሓደ ቅሪተ ኣካላት ረኺቡ’ሎ። እንተኾነ ግን ሙቡያ ኔህንዳ ኣብ መንጎኦም ኣይተረኽበትን። ካብቶም ዝተረኸቡ ዓሰርተ ሓደ ቅሪተ ኣካላት፡ ኣብ 1893 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን ካብ ርእሰ ከተማ ዚምባብዌ ነበር ቡልዋዮ ናይ ዝተወሰዱ ሰለስተ ሽክና ርእሲ ይርከቦም። ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬምብሪጅ ዝርከብ ቤተ ፈተነ ደክወርዝ ካብ ዚምባብዌ ዝተወሰዱ ውሑዳት ቅሪተ ኣካላት ጥራይ’ዮም ተረኺቦም” ኢሉ። እቶም ዝተረኸቡ ቅሪተ ኣካላት ኣባላት ተቓለስቲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ፈረስት ቺሙሬንጋ ምዃኖምን ዘይምዃኖሙን ከምዘይተረጋገጸ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ቤተመዘክር ታሪኽ፡ 25 ሽሕ ቅሪተ ኣካላት ክርከቡ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ ፈተነ ድማ 18 ሽሕ ቅሪተ ኣካላት ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ዓውደ ኵናት ናይ ዝሞቱ ሰባት ክፍሊ ኣካላት ይውሰድ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ገሊኡ ካብ ኣስከሬን ካብ መቓብር ተፋሒሩ ይውሰድ ነይሩ። እዚ ድማ ከም ናይ ዋንጫ ዓወት ወይ ከዓ ‘ንምርምር’ ተባሂሉ ከምዝግበር ይግለጽ። "ገለ ኣለይቲ ብጭቡጥ ኣይግደሱን እዮም፡ ብዛዕባ እቲ ካብ መንግስቲ ዝረኽብዎ ኣበል እዮም ዝግደሱ። ንዓና ዘይኮነስ ንመንግስቲ ዝሰርሑ ዘለዉ ኮይኑ'ዩ ዝስምዓና።" "ስለዚ ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ምዃንካ እሞ ሕሰብ፡ ክትጠፍእ ጥራይ ኢኻ ትደሊ" ይብል። "ብዛዕባና ዝዝረብ ሓሶትን ኣሉታዊ ነገራትን ብዙሕ እዩ።" "ሰብ ኢና። ኣብዚ ዘለና ናይ ካልኦት ስራሕ ክንሰርቕ ኣይኮነን። ዋጋ ኣለና። ፍቕርን ሓልዮትን የድልየና።" ሪሺ ሱናክ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ንምዃን ቅድሚት ኣሎ ሊዝ ትረስ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ብሪጣንያ ምስተረከበት፡ ኣብ 45 መዓልታት ‘ይኣኽለኒ’ዩ’ ኢላ ስልጣና ድሕሪ ምግዳፋ ንዕኣ ተኪኡ ነታ ሃገር 'መን ከመርሕ?' ሪሺ ሱናክ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ንምዃን ቅድሚት ኣሎ ሊዝ ትረስ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ብሪጣንያ ምስተረከበት፡ ኣብ 45 መዓልታት ‘ይኣኽለኒ’ዩ’ ኢላ ስልጣና ድሕሪ ምግዳፋ ንዕኣ ተኪኡ ነታ ሃገር 'መን ከመርሕ?' ዝካየድ ዘሎ ውድድር መዓልትታት ተሪፉዎ'ሎ። ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ሪሺ ሱናክ ጽቡቕ ድጋፍ ድምጺ ረኺቡ ይመርሕ'ኳ እንተሎ ደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን’ውን ተስፋ ኣሎዎም። መዓልቲ ውድድር ከብቅዕ ቅሩብ ግዜ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ ልዑል ግምት ዝተዋህቦም ክልቲኦም ተወዳደርቲ ቦሪስ ጆንሰንን ሪሺ ሱናክን ከም ዝተዛተዩ ተነጊሩ። እቶም ክልተ ተነሓናሕቲ ፖለቲከኛታት ምዝታዮም ክልተ ምንጭታት ንቢቢሲ ከረጋግጹ እንከለዉ፡ ኣብ ምንታይ ርእሰ ጉዳይ ከምዝዘተዩ ግን ካብ ምዝራብ ተቘጢቦም። ሪሺ ሱናክ፡ ንደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ሓዊስካ ካብ ውድቡ ናይ 128 ኣባላት ፓርላማ ድጋፍ ኣኪቡ ነቲ ውድድር ይመርሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ድማ ብ53 ድምጺ ካልኣይ ኰይኑ ይወዳደሮ ከምዘሎ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት። ይዅን እምበር ደገፍቱ፡ ቦሪስ ናብቲ ውድድር ንምእታው ዘኽእሎ ድምጺ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ናይ 100 ኣባላት ፓርላማ ድጋፍ ከምዘለዎ’ዮም ዝካትዑ። ደገፍቲ ሪሺ ሱናክ ኣብዚ መረዳእታ ጥርጣረ ክሓድሮም እንከሎ ቦሪስ ጆንሰን መርትዖ ከቕርብ ሓቲቶም ኣለው። ፔኒ ሞርዳዉንት ናብቲ ውድድር ከምዝተጸንበረት ብወግዒ ዘፍለጠት እንኮ ተወዳዳሪት ክትከውን እንከላ፡ ናይ 23 ኣባላት ፓርላማ ድጋፍ ብምርካብ ኣብ ድሕሪት ኣላ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ላውራ ኩንስስበርግ፡ ቦሪስ ጆንሰንን ሪሺ ሱናክን ትማሊ ቀዳም ምሸት ተራኺቦም ምንባሮም ብምግላጽ ድሕሪ ዘተኦም መግለጺ ከውጽኡ ድዮም ኣይከውጽኡን ርግጸኛ ኣይነበረትን። ቢቢሲ መረዳእታ ናይቶም ድጋፍ ዝሃቡ ኣባላት ፓርላማ ከተኣኻኽብ ቀንዩ’ዩ። ካብቶም 357 ዓቃባውያን ኣባላት ፓርላማ፡ ናይቶም 204 ኣባላት ድልየቶም እንታይ ከምዝዀነ ዝፍለጥን ብቢቢሲ ዝተረጋገጸን ኰይኑ ካልኦት ብዙሓት ግን ድልየቶም እንታይ ምዃኑ ኣይተፈለጠን ዘሎ። ኣብቲ ውድድር እኹል ድጋፍ ንምርካብ ክሳብ ጽባሕ ሰኑይ ሰዓት 8 ግዜ ኣሎዎም። ኣባላት ፓርላማ እቲ ውድብ ንሓደ ሕጹይ ጥራይ ዝድግፉ እንተዀይኖም ግን ብሪጣንያ ጽባሕ ሰኑይ ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝመርሓ ቀዳማይ ሚኒስተር ክህልዋ’ዩ። እንተዘይኰይኑ ግን፡ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፊ ብኦንላይን መረጻ ከካይዱ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ ውጽኢት እቲ መረጻ ከኣ ዝመጽእ ዓርቢ ዕላዊ ክኸውን’ዩ። ርእይቶታት መረጻ ከምዘመልክትዎ በቲ ብኦንላይን ዝካየድ መረጻ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ክዕወትን ዳግማይ ናብ ስልጣን ከምጽእን ተኽእሎታት ኣሎ። ብሞት ንግስቲ ዝተቛረፀ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ክቕፅል’ዩ ድሕሪ ሞት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ከም ምልክት ኣኽብሮት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ሃገራዊ ሊግ እንግሊዝ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ክቕጽል ምዃኑ ተገሊፁ። ኵሎም ግጥማት ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ፡ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን ከምኡ ድማ ኩዕሶ እግሪ ስኮትላንድ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ከምዝተቛረፁ ይፍለጥ። ኣብ ፍርቂ ሰሙን ዝካየዱ ጸወታታት ሊግ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ (EFL) ክቕጽሉ ትጽቢት ይግበር። ፕረምየር ሊግ'ውን ብዛዕባ እቶም ካብ 16 ክሳብ 18 መስከረም ዝካየዱ ጸወታታት ዛጊት መግለጺ ኣይሃበን። ገለ ጸወታታት ብሰንኪ ሕጽረት ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ክጽለዉ ከምኽእሉ ይግለጽ። ወሃቢ ቓል ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ፖሊስ፡ "ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ እቶም ግጥማት ብዘይ ስግኣትን ብዝግባእ ጸጥታን ክካየዱ ምስ ካልኦት ትካላት ብምትሕብባር ይሰርሕ ኣሎ፡" ኢሉ። "እዚ ፍሉይ ኵነታት'ዩ፤ ምስ ኵሉ ዝምልከቶ ድማ ብቐረባ ንሰርሕ ኣለና" ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ። ኣብ ኵሉ ደረጃታት ዝካየድ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዌልስ ሰሉስ ዝጅምር ኰይኑ፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዌልስ ግን ኣብ መዓልቲ ቀብሪ ክካየድ ዝግበኦ ጸወታታት ዝምልከት መምርሒ፡ "ኣብ ግዚኡ ክወሃብ'ዩ" ኢሉ። ሃገራዊ ሊግ - [ሓሙሻይ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ] ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካብ ሰኑይ 12 መስከረም ዝጅምር ንሰሙን ዝተመደበ ጸወታታት ከምቲ ዝተመደበሉ ግዜ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ሊግ ከረጋግጽ ይኽእል'ዩ፡" ክብል ኣፍሊጡ። "ጋንታታት ክሳብ ቀብሪ ኣብ ዘሎ እዋን ቅድሚ ጸወታ ናይ ሓደ ደቒቕ ዝክረ ሕልና ክፍጽማን ከም ምልክት ኣኽብሮት ድማ ተጻወትቲ ኣብ ኢዶም ጸሊም ምልክት ክኣስሩን ተሓቲተን ኣለዋ" ኢሉ’ሎ። እዚ ዳግማይ ምጅማር ግጥማት፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ንዘለዉ ጸወታታት ፍቓድ ድሕሪ ምሃቡ ዝግለጽ ዘሎ እዩ። ኣብ ታሪኽ ብሪጣንያ ንነዊሕ እዋን ዝነገሳ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓሙስ ከምዝዓረፋ ዝዝከር ኰይኑ ሰኑይ 19 መስከረም 2022 ድማ ሃገራዊ ስርዓተ ቀብረን ክፍጸም ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ (ዩኤፋ)፡ "ምስቲ ኣብ ዙርያ ሃገራዊ ሓዘን ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ዝካየድ ዘሎ ፍጻመታት ብዝተኣሳሰር፡ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕፅረት ፖሊስን ኣገልግሎታትን" ነቲ ሬንጀርስ ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ናፖሊ እተካይዶ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ ካብ ሰሉስ ናብ ረቡዕ ኣሰጋጊርዎ’ዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቶተንሃም ሰሉስ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ምስ ስፖርቲን ሊዝበን እተካይዶ ጸወታ ሻምፕዮንስ ሊግ "ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተሓሰበሉ ከምዝካየድ" ኣረጋጊጻ’ላ። ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ከምኡ ድማ ሎሚ ሰኑይ [ሊድስ ዩናይትድን ኖቲንግሃም ፎረስትን ክካየድ ዝነበሮ ጸወታ] ብሓፈሻ ዓሰርተ ጸወታታት ፕረምየርሊግ ከምዝተናውሑ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሰለስተ ግጥማት ክካየዱ መደብ ተታሒዙሎም ኣሎ። እዚ ድማ ቀዳም ምሸት ቶተንሃም ምስ ሌስተር ከምኡ ድማ ብሬንትፎርድ ምስ ኣርሰናል ክኸውን ከሎ፡ ቸልሲ እውን ሰንበት 18 መስከረም ኣብ ሜድኣ ምስ ሊቨርፑል ክትገጥም እያ። ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜድኣ ምስ ቦሩስያ ዶርትሞንድ እተካይዶ ግጥም ቻምፕዮንስ ሊግ ከምቲ ዝተሓሰበሉ ንረቡዕ ዝቕጽል ኰይኑ፡ ሓሙስ ድማ ኣብ ሊግ ኣውሮጳ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ንኤፍ.ሲ ሸሪፍ ኣብ ሞልዶቫ ክትገጥማ ትጽቢት ይግበር። ንግስቲ ኤልሳቤጥ ንምስንባት ናብ ለንደን ዝኣትዉ ዘለዉ ወጻእተኛታት ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ወጻእተኛታት ናብ ለንደን ተጓዒዞም ንዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤጥ ይሰናበቱ ኣለዉ። ካብ ኣሜሪካ ናብ ለንደን ተጓዒዛ ንንግስቲ እትሰናበት ዘላ ተመራማሪት ታሪኽ፡ ከም ተመራማሪት መጠን ኣብ ስርዓተ ቀብሪ እተን ንግስቲ ምርካባ ዕድለኛ ምዃና ገሊጻ። ንጉሳዊ ቤተሰብ ብሪጣንያ ጉዳይ ልኡል ሃሪን ልእልቲ ሜጋንን ንምዝታይ ይእከብ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ብዛዕባ መጻኢ ተራ መስፍንን መስፍኒትን ናይ ሳሴክስ [ልኡል ሃሪን ልእልቲ ሜጋንን] ንምዝታይ ላዕለዎት ኣባላት ናይ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ንሰኑይ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሳንድሪንግሃም ክእከቡ ጸዊዓ። ልኡል ሃሪ፣ መስፍን ካምብሪጅን [ልኡል ዊሊያም] መስፍን ወይልስ [ልኡል ቻርለስ] ኣብ'ቲ ኣኼባ ከምዝሳተፉ፡ ሜጋን ግን ኣብ ካናዳ ኮይና ነቲ ዋዕላ ብቴለፎን ክትሳተፎ ምዃና ሰብ-መዚ ንቢቢሲ ሓቢሮም። እቶም መሳፍንቲ ሳሴክስ ኣብ'ቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ካብ ዝጸንሖም ላዕለዋይ ተራ ክስሕቡ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ'ቲ ዝግበር ዋዕላ ዝኾነ መደምደምታ ክብጻሕ'ዩ ዝብል ሓበሬታ የለን። እንተኾነ ግን እታ ንግስቲ ኣብ ውሽጢ መዓልታት መፍትሒ ንምርካብ ብዘለዋ ድሌት መሰረት፡ እቲ ዋዕላ ንዝምድና'ቶም ተጻመድቲ ምስ'ቲ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ንምንጻር ዝሕግዝ "ቀጻሊ ስጉምቲ" ክውሰድ'ዩ ተባሂሉ ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ ኢሉ ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ጆኒ ዲሞንድ። ንምስጋሮም "ዘሸግሩ ዕንቅፋታት" ኣብ ቅድሚ'ቲ ዋዕላ ተገቲሮም ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ መስፍን ካምብሪጅ [ልኡል ዊሊያም] ምስ ሓዉ [ልኡል ሃሪ] ዝነበሮ ምትእስሳር ምብታኹ ዝተሰምዖ "ሓዘን" ገሊጹ`ሎ ክትብል ጋዜጣ ሳንደይ ታይምስ ጸብጺባ። ብመሰረት ጸብጻብ'ታ ጋዜጣ፡ "ዕድመና ምሉእ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ሓወይ ኢንቢረ'የ፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ከምኡ ክገብር ኣይክእልን'የ፡ ምኽንያቱ ክልቴና ዝተፈላለና ኣካላት ኢና። እቲ ክንገብሮ እንኽእል ወይ ኣነ ክገብሮ ዝኽእል ንዓኣቶም [ንሃሪን ሜጋንን] ምሕጋዝ'ዩ፡ ዳግማይ ሓደ እንኾነሉ እዋን ክንረክብ ድማ እትስፎ" ኢሉ ልኡል ዊሊያም ንሓደ ዓርኩ ነጊሩ። ልኡል ቻርለስ ግን ብምኽንያት ሞት ሱልጣን ቓቡስ ቢን ስዒድ ኣስዒድ ናይ ዖማን፡ ብቐዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ተሰንዩ ሓዘኑ ንምግላጽ ናብ'ታ ሃገር ገይሹ'ሎ። ኣብ'ቲ ዋዕላ ንጉሳዊ ቤተሰብ ንምስታፍ ግን ሰኑይ ክምለስ'ዩ። እታ ንግስቲ ብሰንበት ንግሆ ኣብ ሳንድሪንግሃም ናብ ቤተክርስቲያን እናኸደት የማዕድዉዋ ንዝነበሩ እኩባት ሰባት ብማዕዶ ሰላምታኣ ክትልግሰሎም ተራእያ። እዚ "ዋዕላ ሳንድሪንግሃም" ተባሂሉ ተጠሚቑ ዘሎ ኣብ ኖርፎልክ ዝካየድ ናይ ሰኑይ ኣኼባ እቶም መሳፍንቲ ሳሴክስ [ሃሪን ሜጋንን] ካብ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ክርሕቁ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም እታ ንግስቲ ንፈለማ እዋን ምስ ሃሪ እትራኸበሉ ኣጋጣሚ ክከውን`ዩ። ፊናንሳዊ ጉዳይ መሳፍቲ ሳሴክስ ግን እቲ ኣጸጋሚ ዛዕባ ክኸውን`ዩ ይብል ልኡኽ ቢቢሲ ኣብ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኖኮላስ ዊሸል። ንሳቶም ካብ ጽግዕተኛነት ናይ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ወጺኦም ብፊናንስ ነብሶም ንምኽኣል ክጽዕቱ ምዃኖም ብረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም ነይሮም። እቶም ተጻመድቲ "ነታ ንግስቲ፣ ምትእክካብ ሓባራዊ ሃብትን [ኮሞንዊልዝ] ከነገልግል ዘለና ሓላፍነትን ጉይትነትን ብምኽባር" መጻኢ ጊዜኦም ኣብ ብሪጣኒያን ሰሜን ኣሜሪካን መቒሎም ከሕልፍዎ ከምዝደልዩ'ውን ገሊጾም'ዮም። ንዝኾነ ካብ ብሪጣንያ ወጻኢ ንምጽናሕ ኣብ ዝውስንሉ እዋን ሳዕቤናት ምክፋል ግብሪ ከምዝህልዎን ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ድማ "ዘለዎም ናይ ንግስነት ደረጃ ምንጪ ኣታዊታቶም ከይገብርዎ ጽኑዕ ቁጽጽር" ክገብር ክደልይ'ዩ ኢሉ ልኡኽና። እዚ ናይ ሰኑይ ዋዕላ ነቶም ዘለዉ ጸገማት ንምፍታሕ እኹል ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ፡ እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ተራኺቦም ብጉዳይ ሃሪን ሜጋንን ንኽመያየጡ ብወገን ሰራሕተኛታት ቤተ-መንግስትን መንግስትን ግን እኹል ስራሕ ተሳሊጡ'ዩ። ሓያሎ ብድሆታት ግን ኣለዉ። ልኡል ሃሪን ሜጋንን ክንደይ ዝኣክል ሓላፍነት ስራሕ ናይ`ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ከምዝፍጽሙ ገና ንጹር ኣይኮነን። ጉዳይ ፊናንስን ኣብ መንጎ ቤተ-መንግስትን እቲ ሓድሽ ትካል ናይ ልኡል ሃሪን ሜጋንን ዘሎ ርክብን/ምትእስሳርን ድማ ኣብ ልዕሊ`ቶም ካልኦት ጸገማት ኣንተልጢሎም ይርከቡ። ነቲ ሕጂ ዘሎ ዝምድና ምብታኽን ካልእ ንነዊሕ እዋን ዝኸይድ ሓድሽ ዝምድና ምፍጣርን ድማ ዝያዳ ዝኸበደ ክኸውን`ዩ። ነዚ ንምግባር ሓያል ድሌት ኣሎ፡ እቲ ውዕል ግን ዕርጡምን ክሰርሕ ዝኽእልን ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ዝተናውሑ ዓመታት ንኻልኦት ኣባላት`ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ዘገልግል መራሕ ተግባር ይንጸፍ ኣሎ። ንግስቲ ኤልሳቤጥ፣ ልኡል ቻርለስ፣ ልኡል ዊሊያምን ልኡል ሃሪን በቶም ክልተ ተጻመድቲ ንዝተወስደ ስጉምቲ ኣብ ግምት ብምእታው ንኽልቲኦም ይኾንዎም`ዮም ዝብልዎም ሓያሎ ተኽእሎታት ክኽልሱ ትጽቢት ይግበረሎም። ኣብ'ዘን ዝስዕባ ሒደት መዓልታት ውዕል እንተተገይሩ፡ ንምትግባሩ ግዜ ክወስድ ምዃኑ ሓፈሻዊ ርድኢት ኣሎ። እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እዚ ንመንግስታት ብሪጣንያን ካናዳን ዘሳተፈ ዝርርባት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ሜጋን ንወዲ ሸሞንተ ወርሒ ወዳ ኣርቺ ሒዛ ኣብ ካናዳ ትርከብ። ንሽዱሽተ ሰሙናት ካብ ንጉሳዊ ናይ ስራሕ ሓላፍነቶም ርሒቖም ጸኒሖም ብሰሉስ ናብ ብሪጣኒያ ቅድሚ ምምላሶም፡ ሜጋንን ልኡል ሃሪን በዓል ልደት ኣብ ካናዳ`ዮም ኣሕሊፎሞ። ኢንስታግራሞም ድማ ብዓርቢ ምንቅስቓሳቶም ክጥቅዕ ጀሚሩ። ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ልኡል ሃሪን ሜጋንን ዘለዎም ጸገማት ብግልጺ ተዛሪቦም ነይሮም። ንሳቶም ምስ መስፍንን መስፍኒትን ካምብሪጅ [ልኡል ዊሊያምን በዓልቲ ቤቱን] ምስ ተባተኹ፡ ዓሚ ሰነ ናይ ባዕሎም ሳሴክስ ንጉሳዊ ናይ ልግሲ ትካል ክምስርቱ ይዳለዉ ነይሮም። ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ድማ ከም መጻሕፍቲ፣ ዓውደ-ኣዋርሕ፣ ኣልባሳት፣ ምትእኽኻብ ናይ ልግሲ ገንዘብ፣ ትምህርትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንምልጋስ ናይ ባዕሎም ናይ ንግዲ ምልክት [ትሬይድ ማርክ] ንክወሃቦም ኣመልኪቶም ነይሮም። ወዲ 99 ዓመት ሉኡል ፊሊፕ ዓባይ ብሪጣንያ ሆስፒታል ኣትዩ ሉኡል ፊሊፕ ዓባይ ብሪጣንያ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ቤተንግስነት እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እቲ ወዲ 99 መስፍን ኤደንብራ፡ ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ለንደን ዝርከብ ሆስፒታል ንጉስ ኤድዋርደ ሻድሻይ ከምዝኣተወ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ልኡል ፊሊፕ ብመኪና ናብቲ ሆስፒታል ከምዝተወስደን፡ ይኹን እምበር ሓኪሙ ኣብቲ ሆስፒታል ክጸንሕ ከምዝኣዘዞ ምንጭታት ካብቲ ቤተንግስነት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ንሒደት መዓልታት ተጸሊእዎ ከምዝነበረ ዝገለጸ እቲ ምንጪ፡ "ኣብ ጽቡቕ መንፈስ" ከምዘሎን፡ ንሒደት መዓልታት ኣብቲ ሆስፒታል ክጸንሕ ምዃኑን ጠቒሱ። ብዓልቲቤት እቲ ልኡል ዝኾነ ንግስቲ ኤሊዛቤት ኣብቲ ካብ ለንደን ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ቤተንግስነታ ከምእትርከብ ተፈሊጡ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እታ ንግስቲን ብዓልቤታ መስፍን ኤደንብራን፡ ከታበት ኮሮናቫይረስ ወሲዶም ምንባሮም ተገሊጹ ነይሩ። ልኡል ፊሊፕ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት'ኳ ኣብ ሆስፒታል እትዉ ውጽእ ክብል እንተጸንሐ፡ ብጥዕንኡን ጸዓቱን'ዩ ዝፍለጥ። ነታ ንግስቲ ድሕሪ ምምርዓዉ፡ ምትካኽ ሽጋራ ከምዘቋረጸን፡ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዘዘውትር ምንባሩን ይግለጽ። ብዙሕ መስተ ዝሰቲ'ውን ኣይነበረን። ትማሊ ብመኪና ናብ ሆስፒታል ምስተወስደ'ውን፡ ብእግሩ ናብ ውሽጢ ክኣቱ ተራእዩ ነይሩ። ናበይ ይኸዱ ከምዘለዉ ዘይፈልጡ ኣፋጋናውያን ጣሊባን ንካቡል ምስተቖጻጸረ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍጋናውያን ህጻናት ሒዞም ናብ ካልእ ዘይፈልጥዎ ሃገር ንምህዳም ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ክጸቓቐጡ ተራእዮም። ንሳቶም ህይወት ካብ ባዶ ‘ሀ’ ኢሎም ንኽጅምሩ’ዩ ካብ ዓዶም ዝሃድሙ ዘለዉ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጽአ ህጻን ናይ በረኻ ቃንጥሻ በሊዑ ሞይቱ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ካቡል ዝወጸ ወዲ 5 ዓመት ኣፍጋኒስታናዊ ህጻን ኣብ ኣውሮጳዊት ሃገረ ፖላንድ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ናይ በረኻ ቃንጥሻ በሊዑ ከምዝሞተ ሰብመዚ ሓቢሮም። ምስኡ ዝነበረ ወዲ 6 ዓመት ሓዉ'ውን ነቲ መርዛም ቃንጥሻ በሊዑ ብምሕማሙ፡ ጸላም ከብዱ ከምዝተተከአ ሓደ ሓኪም ተዛሪቡ። እቶም ህጻናት፡ ብ23 ነሓሰ ካብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምውጽኦም፡ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ዋርሳው ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ምጽንሖም ተፈሊጡ። ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዎም ነቲ ቃንጥሻ ከምዝበልዑን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ተገሊጹ። "ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ንክልቲኦም ቆልዑ ከነድሕኖም ኣይክኣልናን" ክብል ንሞት ናይቲ ህጻን ዘረጋገጸ ዳይረክተር ናይቲ ሆስፒታል ዶ/ር ማረክ ሚግዳል ተዛሪቡ። ክሕከም ዘይኸእል ናይ ኣእምሮ ሃስያ ስለዝወረዶ፡ ከም ሓዉ ጸላም ከብዱ ክትካኣሉ ኣይካኣለን ይብል እቲ ሓኪም። ኣብቲ ማእከል እትቕመጥ ጓል 17 ዓመት ኣፍጋኒስታናዊት'ውን፡ ነቲ ቃንጥሻ ብምብላዓ፡ ሕክምናዊ ክንክን ተገይሩላ ከምዝተፋነወት ጸብጻባት ሓቢሮም። እቲ ፍጻመ ይምርመር ከምዘሎ ኣኽበርቲ ሕጊ ፖላንድ ገሊጾም ኣለዉ። ገለ ጸብጻባት ሚድያ ፖላንድ ከምዝበልዎ፡ ሓደ ስድራቤት ካብቶም ስደተኛታት ነቲ ቃንጥሻ ካብ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዱር ኣርዮም መረቕ ኣዳልዮም። እኹል መግቢ ብዘይምርካቦም ነቲ ቃንጥሻ ክበልዑ ከምዝተገደዱ ዝገልጹ ጸብጻባት ሰበስልጣን'ቲ ከባቢ ነጺጎሞ ኣለዉ። እቶም ካብ ካቡል ዝገዓዙ ስደተኛታት "ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ" ይበልዑ ከምዘለዉ፡ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት ፖላንድ ጃኩብ ዱድዚያክ ተዛሪቡ። ሰራሕተኛታት ናይቲ ማእከል፡ እቶም ስደተኛታት ነቲ ቃንጥሻ ከይብልዑዎ መጠንቀቕታ ሂቦሞም ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ። መንግስቲ ፖላንድ ከምዝብሎ፡ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 250 ዓይነታት መርዛም ቃንጥሻታት ኣለዉ፡ ብፍላይ ገለ ካብኦም'ውን ቀተልቲ ምዃኖም ይፍለጥ። እቶም ቆልዑ ኣካል ናይቶም ብሰራዊት ፖላንድ ካብ ካቡል ዝገዓዙ ልዕሊ 1000 ምስ ሓይልታት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋኒስታናውያን እዮም። ዝበዝሑ ኣብታ ሃገር ዝቕጽሉ ኮይኖም፡ እቶም ኣብ ክንዲ ካልኦት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ውድባትን ሰራዊት ፖላንድ ዘውጽኦም ግን ናብ ካልእ ቦታታት ክሰጋገሩ'ዮም። ኣፍጋኒስታን፡ ሰራዊት ጣሊባን ገዛ ገዛ እናኣተዉ ተፍትሽ ምጅማሮም ተገሊጹ ሰራዊት ጣሊባን ምስ ሰራዊት ኔቶ ወይ'ውን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ይሰርሑ ነይሮም'ዮም ንዝብልዎም ሰባት ንምርካብ ገዛ ገዛ እናኣተዉ ተፍትሽ ከምዝጀመሩ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። እቶም ሰራዊት ጣሊባን ነቶም ዝደለይዎም ሰባት ምስ ስኣኑ ንኣባላት ስድርኦም የፈራርሕዎም ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣጠንቒቁ። እቲ ጸብጻብ፡ እቲ እስላማዊ ጉጅለ 'ዋላ እኳ ዝኾነ ሕነ ምፍዳይ ከምዘይህሉ እንተተመባጸዐ' እዚ ተግባር ግን ኣንጻር እቲ ቃል ዝኣተዎ'ዩ ይብል። ወሲኹ'ውን፡ ጣሊባን ካብቲ ኣብ 1990ታት ዝነበሮ 'ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ' ኣዝዩ ውሑድ ለውጢ ከምዘርኣየ'ዩ ዝገልጽ። እቲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ዘቕረበ ሪፕቶ [RHIPTO] ዝተብሃለ ኖርዎጃዊ ትካል ኮይኑ፡ ጉጅለ ጣሊባን ነቶም 'ተሓባባርቲ' ዝበሎም ሰባት ይደሊ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ። ላዕለዋይ ሓላፊ ሪፕቶ ክሪስትያን ኔልማን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ኣብ መዝገብ ጣሊባን ሰፊሮም ዝድልዩ ዘለዉ ውልቀሰባት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣት ኸኣ ከም ሓቒቅ ማይ ንግሆ ኣዝዩ ብሩህ'ዩ" ኢሉ። ብምስዓብ "ጣሊባን ኣብ ዝጽሓፎ ጽሑፍ እዞም ተደለይቲ ሰባት ባዕሎም ኢዶም እንተዘይሂቦም፡ ጣሊባን ኣብ ክንድኦም ንስድርኦም ክኣስሮም፡ ናብ ፍርዲ ክቅርቦምን ከሰራጥዮምን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ" ኢሉ። ክርስተያን ብተወሳኺ፡ ሓደ ኣብ ጸሊም መዝገብ ናይ ጣሊባን ዝኣተወ ሰብ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘሎ ዘመልክት ከምዝኾነን ጃምላዊ መቕተልቲ'ውን ከስዕብ ከምዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ንቢቢሲ ገሊጹ። ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኣፍጋኒስታን ንኸውጽኣ ኣብ ቀጻሊ ጻዕሪ'የን ዝርከባ። ሓደ ላዕለዋይ ብዓል መዚ ኔቶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 መዓልታት ልዕሊ 18 ሽሕ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ብመዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ ከምዝኽኣሉ ገሊጹ። ብተወሳኺ ኣስታት 6,000 ዝኾኑ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ከምተርጎምቲ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት'ውን ክሳብ ዓርቢ ምሸት ኣብ ዘሎ ካብ ኣፍጋኒሰታን ናይ ምውጽኦም መስርሕ ክካየድ ምዃኑ እቲ ሓላፊ ብምግላጽ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ'ውን ቁጽሪ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጽኡ ሰባት ብዕጽፊ ከምዝውስኽ ሓቢሩ። ኣፍጋኒስታን፡ ናይ “ሞት መቕጻዕቲ” ከምዝምለስ ሓቢራ እቲ ሕጂ ሓላፊ ኣብያተ ማእሰርቲ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ ሙላህ ኖሩዲን ቱራቢ ዝተባህለ በዓል ስልጣን ጣሊባን “ንገበነኛታት ኣካላቶም ብምቝራጽ ምቕጻዕ ንጸጥታን ድሕንትን ኣገዳሲ እዩ” ክብል ንማዕከን ዜና ኤፒ ኒውስ ኣፕቲስ ገሊጹ። ንገበነኛታት ብመቑረጽቲ ምቕጻዕ ኣብ እዋን ምሕደራ ጣሊባን ልሙድ እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ እቲ በዓል ስልጣን "ሕግታትና እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዋላ ሓደ ክነግረና ኣይክእልን እዩ" ክብል ተዛሪቡ ። ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ 15 ነሓሰ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ፍኹስ ዝበለ ኣገባብ ኣቀጻጽዓ ከም ዝህሉ እዩ ተመባጺዑ ነይሩ። ይኹን እምበር ድሮ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዛዕባ እተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዙሕ ጸብጻባት ቀሪቡ እዩ ። ብሓሙስ፡ ሁማን ራይትስ ዎች፡ ጣሊባን ኣብ “ሄራት” ንዝርከባ ዝለዓለ ስም ንዘለወን ደቀንስትዮ ንምድላይ ካብ ኣባይተን ወጻኢ ከይንቀሳቐሳን፡ ግዱድ ስርዓተ ኣከዳድና ንኽጥቀማን መምርሒ ኣመሓላሊፉ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ነሓሰ ድማ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብድሕሪ ቅትለት እቶም ትሽዓተ ኣባላት ሕብረተሰብ ሃዛራ ዕጡቓት ጣሊባን ከምዝህልዉ ይኣምን። ኣብቲ ግዜ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኣግነስ ካላማርድ ብዛዕባ እቲ ቅትለት "ንሕሉፍ ጭካነ ጣሊባን ዘዘኻኽር ቅትለት" ክብል ብምኹናን፡ “ጣሊባን ዝመርሖ መጻኢ ስርዓት እንታይ ከምዝመስል ዘሰንብድ መርኣዪ እዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ካቡል ድሕሪ ምቁጽጻሩ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ ፡ ኣብ ሃገራት ባልካን ዝነበረ፡ ሓጂ ባድሩዲን ዝተባህለ ንጣሊባን ዝድግፍ ሰብ፡ እቲ ጉጅለ እስላማዊ ሃይማኖት ንዝእዝዞ ሕጊ ኣጽኒዑ ዝትግብርን ቃል ብቓሉ ዚትርጕምን ብምዃኑ ከምዝድግፎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ ነይሩ። ባድርዲን "ኣብ ሸሪዓ ሕግና ንጹር እዩ፡ ነቶም ከይተመርዓዉ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ፡ ጓል ይኹን ወዲ ብዘየገድስ፡ ኣብ ቅድሚ ሰባት 100 ሽመል ክግረፉ፡ "ዝተመርዓወ ዝሙት እንተፈጺሙ ግን ብዳርባ እምኒ ክቕተል ዝብል እዩ። ዝሰረቐ ከኣ ኢዱ ይቑረጽ” እዚ ተሪር ኣረኣእያታት’ዚ ሕሉፍ እስላማዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ብዙሓት ኣፍጋናውያን ይሰማምዑሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ጕጅለ ጣሊባን፡ በቲ ሓደ: ነቲ እስላዊ ምሕደራ ክኸነሉ ክጽበዮም ዝጸንሐ ደጋፊኦም ከሐጉሱ: በቲ ሓደ ከኣ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ንክመሓዘው ህድእ ዝበለ ኣካይዳ ትጽቢት ስለዝገብረሎም ሚዛን ክሕዙ ይጽዕሩ ኣለው። ቱራቢ፡ ከምቲ ናይ 90ታት ዘይሃይማኖታዊ ሙዚቃ ክሰምዑ ወይ ከኣ ጭሕሞም ክቕምቀሙ ዝታሓዙ ሰባት ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዘጋጥሞም ግን ከኣ ዘይከም ናይ 90ታት ቴሌቪዥን ክርእዩ ሞባይል ክሕዙ ከሰኣሉን ቪድዮ ክቐርጹን ክቕረጹን ከምዝፍቀዶም ኣረዲኡ። እቲ ብሕሉፍ ተግባራቱ ኣብ ዝርዝር ማዕቀብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሩ ዝርከብ ቱራቢ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ጣሊባን፡ ብዛዕባ እቲ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ’ዶ ይኹን ብስቱር ንዝብል ፖሊሱ ብዕምቆት ይመያየጠሉ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ 90ታት ገበነኛታት ኣብ ካቡል ኣብ ዝርከብ ዓቢ እስታድዩም ወይ ከኣ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝእከበሉ ስፍራን ገፊሕ ጎልጎል ዘለዎ መሳጊድን እዩ ዝፍጸም ዝነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቱራቢ ሚኒስተር ፍትሕን ፕሮፓጋንዳን ከምኡ እውን ሓላፊ ሃይማኖታዊ ፖሊሲን ጣሊባን ነበረ ። ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "ንዓና ብዛዕባ እቱ ኣብ ስታድዩም ህዝቢ ኣኪብና እነካይዶ መቕጻዕቲ ብዙሕ ሰብ እዩ ነቒፉና። ንሕና ግን ብዛዕባ ሕግታቶምን መቕጻዕቶምን ዋላ ሓንቲ ተዛሪብና ኣይንፈልጥን ኢና” ክብል ተዛሪቡ። ኣብዚ ሰሙን እዚ እውን ፡ ጣሊባን ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝግበር ዘሎ ሓፈሻዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መደረ ከቕርብ ሓቲቱ ነይሩ እዩ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ሄኮ ማኣስ፡ ምስ ጣሊባን ምዝርራብ ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ ፡ "ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ቦትኡ ኣይኮነን” ክብል ርእይትኡ ኣቕሪቡ ነይሩ። እታ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ዝካየደላ ኣመሪካ ክሳብ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን እቲ ሓፈሻዊ ኣኼባ ባይቶ ዝውዳእ ዝመጽእ ውሳነ ከምዘይትህብ ገሊጻ እያ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቶኒ ብሌር፡ ምስሓብ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኮኒኑ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ነበር፡ ቶኒ ብሌር፡ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን 'ዘየድልን መሕዝንን' እዩ ኢሉ። ቶኒ ብሌየር፡ ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን ዝኾነት ካቡል ምስተቖጻጸረ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝህብ ዘሎ። ንሱ፡ ኣብ ርእይትኡ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምስሃብ ‘ዘሕዝን፣ ሓደኛን ዘየድልን’ ክብል ኮኒንዎ። ኣመሪካ፡ ቅድሚ ዒስራ ዓመታት፡ ኣብ መስከረም 9/11 መጥቃዕቲ ምስተፈነዋ፡ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ሓቢራ ናብ ኣፍጋኒስታን ኣንጻር መንግስቲ ጣሊባን ሰራዊታ ዘዋፈረት ኮይና ፡ ኣብ’ዚ ዓመት እያ ሰራዊታ ጠቕሊላ ተውጽእ ዘላ። ኣብቲ እዋን ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ ዝነበረ ቶኒ ብሌየር፡ ኣመሪካ እቲ ሕዚ ዝወሰደቶ፡ ሰራዊታ ካብታ ሃገር ናይ ምስሓብ ስጉምቲ፡ “ናይ ዘልኣለም ኲናት ምውዳእ” ብዝብል ዘየድሊ ጭርሖ ብምኽታል ዝተወሰነ እዩ” ኢሉ። ናይ’ቲ ጥሙር ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብታ ሃገር ምውጻእ ንጅሃዳውያን ‘ፌሽታ’ እዩ ክብል ድማ ተስተውዒሉ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዝደልዩ ጠቅሊሎም ክሳዕ ዝወጽኡ፡ ብሪታንያ ኣብኡ ናይ ምጽናሕ ናይ ሞራል ሓላፍነት ኣለዋ ክብል’ውን ተዛሪቡ። “ሓላፊነት ዝነበሮም ሰባት ክነውጸኦምን ክንሕልዎምን ንግደድ ኢና። ኣብ’ቲ እዋን ምሳና ኣብ ጎንና ደው ዝበሉን ዝሓገዙናን፤ ብግደኦም ኣብ ጎኖም ደው ክንብል ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎም” ድማ ኢሉ። እዚ ካብ ነስሐ ዝብገስ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ሰብኣዊነትን ካብ ሓላፍነትን ምውሳድን ዝምንጩ ስለዝኾነ ክትግበር ኣለዎ -ኢሉ። ወተሃደራት ካብ ኣፍጋኒስታን ንምስሓብ ዝተገብረ ውሳነ፡ ካብ ፖለቲካ ዝምንጩ እዩ ዝበለ ቶኒ ብሌር፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ፡ ‘መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት’ ብዛዕባ ዝብል ሓረግ ኣብ ርእይትኡ ኣስፊሩ፥ “ከምኡ ምግባር ኣየድልን ነይሩ፤ ግን ድማ ንሱ መሪጽና ፤ ኮይኑ ድማ” ኢሉ። ኣብ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣፍጋኒስታን ጌጋታት ከምዝተፈጸሙ ዝኣመነ ቶኒ ብሌየር፡ “ዘይምዕዳል ኮይኑ፤ ሕዚ’ውን ነቲ ጌጋ ንምእራም ዝተኸየደ መገዲ ካልእ ዝተጋገየ መገዲ እዩ” ኢሉ። “ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተረኸቡ ጽቡቓት ለውጢታት ንድሕሪት ናይ ምምላስ ሰፊሕ ዕድል ኣሎ” ኢሉ። እቲ ናይ ምውጻእ ውሳነ፡ “ኣብ ዓለም ንዘለዉ ጉጅለ ጂሃዲስታት ብታሕጓስ ዘዝልል እዩ” ድማ ኢሉ። በዚ ‘ዝተጋገየ’ ዝበሎ ውሳነ ድማ፡ ሩስያ፣ ቻይናን ኢራንን ተጠቀምቲ ምዃነን ተዛሪቡ። ድሕሪ ሕዚ ካብ ምዕራባውያን ዝኣቶ መጽበዓ፤ ኣይክእመንን፤ ብጥርጣረ እዩ ክረአ ክብል ድማ ወሲኹ። እዚ ወርሒ መወዳእታ፡ ኣመሪካ ሙሉእ ንሙሉእ ወተሃደራታ ካብ’ቲ ዓዲ እተውጽአሉ እዋን እንተኾነ’ኳ፡ ሰባት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ካብ’ቲ ዝተሓስበ ንላዕሊ ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ፕረዚድነት ባይደን ኣፍሊጡ ኣሎ። ጆ ባይደን “ዝኾነ ናብ ሃገሩ ክምለስ ዝደሊ ኣመሪካዊ ክምለስ ክንገብር ኢና” ብማለት ቃል ዝኣተወ ኾይኑ፡ እንተኾነ፡ “ኣብ ታሪክ ካብቶም ኣጸገምቲ ሰባት ብኣየር ናይ ምግዓዝ [በረራታት] ክስተት” ሓደ ከምዝኾነ ገሊጹ። ኣፍጋኒስታን፡ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ገዛኽን ከፍ በላ ተባሂለን ሓድሽ ከንቲባ ካቡል ምምሕዳር ጣሊባን ሰራሕተኛታት ቤት ማዘጋጃ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዝአን ከፍ ክብላ ኣዚዙ። እቲ መምርሒ እቶም ናይ ስራሕ መደባት ብደቂ ተባዕትዮ ዘይምልኡ እንተኾይኖም ጥራይ ናብ ስራሕ ክትመጽኣ ትኽእላ ኢኽን ይብል። ከንቲባ ሃምዱላህ ነሜኒ ጣሊባን "ንዝተወሰነ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕ ጠጠው ከብላ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺቡዎ ኣሎ" ኢሉ። እዚ በቲ ሓድሽ እስላማዊ መንግስቲ ኣፍጋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተነብረ ሓድሽ እገዳ እዩ። ቅድም ኢሉ ኣብ 1990ታት ኣብ ዝነበረ ምሕደራ ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ስራሕን ትምህርትን ተኣጊደን ነይረን። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንመላእ እታ ሃገር ዝተቖጻጸረ ጣሊባን መሰላት ደቂ ኣንስትዮ "ኣብ ትሕቲ እስላማዊ ሕጊ" ክሕለው እዮም ኢሉ። ይኹን'ምበር ጣሊባን ምምሕዳር ሕጊ ሸሪዓ ዝመረጸ'ዩ ዝመስል። ጣሊባን ስልጣን ካብ ዝቆጻጸር ኣትሒዙ ስራሕ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገር ክሳብ ዝመሓየሽ ኣብ ገዝአን ከፍ ክብላ ተኣዚዘን እየን። ኣንጻር እቲ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ዝተመልአ ናይ ስግግር መንግስቲ ጣሊባን ዝተቓወማ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተቐጥቂጠን። ጣሊባን ሚኒስትሪ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ከፍርሶ እንከሎ ኣብ ክንድኡ ሃይማኖታዊ መምርሒታት ተኸቢሮም'ዶ ኣይተኸበሩን ዝብል ዝቆጻጸር ሚኒስትሪ ኣጣይሹ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽፈቱ እንከለው፡ ደቂ ተባዕትዮ ተመሃሮን ደቂ ተባዕትዮ መምሃራንን ጥራሕ ናብ ትምህርቲ ክምለሱ ተፈቒዱሎም። ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ኾና መምሃራን ግን ንግዝኡ ኣብ ገዝአን ክጸንሓ ኣለወን ተባሂሉ ኣሎ። ከም ሓበሬታ ከንቲባ እታ ከተማ እንተኾይኑ ሰለስተ ሚኢታዊት ሰለስተ ሽሕ ሰራሕተኛታት እቲ ቤት መዘጋጃ ደቂ ኣንስትዮ'የን። ካብዚን ገሊአን ክሰርሓ ክፍቀደለን ምዃኑ ድማ ሓቢሩ። "ንኣብነት ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ሽቓቕ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ስርሐን ክቕጽላ ይክእላ እየን፤ እዚ ደቂ ተባዕትዮ ክሰርሑዎ ስለ ዘይክእሉ ኣብዚ ናይ ስራሕ መደብ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ስርሓ ክትቕጽል ትኽእል እያ፤ ደሞዝ'ውን ክኽፈላ'ዩ" ኢሉ። ኢልሃም ዑመር ንኣመሪካን ንእስራኤል ምስ ግበረሽበራውያን ጉጅለታት ብማዕረ ኢኺ ትርእይዮም ተባሂላ ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ዝኾነት ኢልሃም ዑመር ንኣመሪካ፤ እስራኤል፤ ሓማስን ጣሊባንን ብሓደ ሚዛን ዓይርክዮም ተባሂላ ካብ ኣባላት ሰልፋ እንከይተረፈ ተሪር መግናሕቲ ኣጋጢምዋ። ብደርዘን ዝቁጸሩ ይሁዳውያን ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ብውስጠዘኣዊ ኣጋባብ 'ሓሳብኪዶ ከተነጽሪ' ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦሙላ። ካብ ክፍለ ግዝኣት ሚኒሶታ ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ክትኸውን ዝተመረጸት ኢልሃም ዑመር ንእስራኤል ብምንቃፋ ካብ ኣባላት ሰልፋ [ዲሞክራሰትስ] ከምዚ ዓይነት ተቓውሞን መግናሕትን ከጋጥማ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ 2019 ንእስራኤል ዓቐኑ ዝሓለፈ ዘይተኣደነ ገንዘባዊ ሓገዛት ይግበረላ እዩ ብምባላ ይቕረታ ክትሓትት ተገዲዳ ነይራ እያ። ኢልሃም ዑመር ብሰኑይ ብትዊተር "ብኣመሪካ፤ እስራኤል፤ ሓማስ፤ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን ክትሓስቦ ዘጸግም ገበና እዩ ተፈጺሙ፡ ብዛዕባ ፍትሒ እቶም ግፉዓት ክንሓስብ እንከለና ኸኣ እቲ ተሓታትንነት ብማዕረ ክኸውን ኣለዎ" እያ ኢላ። ምስቲ ጽሑፋ'ውን ንጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሕቶ እናኣቐረበትሉ ዘርኢ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ኣሰንያትሉ ነይራ። እቲ ምስ ኢልሃም ዑመር ዝተፈጠረ ታዕታዕ፡ እቲ ኣብ ማእከከላይ ምብራቕ ዝነበረ ምልውዋጥ ቶኵሲ ደው ካብ ዝብል ሰሙናት ኣብ ዘቁጸረሉን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኣይሁዳውያን ዓሌታዊ ኣድልዎታት የጋጥሞም ኣሎ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎን እዋን እዩ ዘጋጥም ዘሎ። ኢልሃም ዑመር ንእስላማውያን ጉጅለታት ሓማስን ጣሊባንን ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ብሓደ ይተሓተቱ ስለዝበለት እዩ ካብ ኣባላት ሰልፋ ተሪር ተቃውሞ ኣጋጢምዋ ዘሎ። ካብ ሰልፊ ዲሞክራትስ ብኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ጀሪ ናድለር ዝምርሑ ጉጅለ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ "ንኣመሪካን ንእስራኤልን ምስ ሓማስን ጣሊባንን ብማዕረ ምስራዕ ጽዩፍን መስርዑ ዘይሓለወን እዩ" ኢሎም። ብምስዓብ "ኣብ ሞንጎ ብግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስን ዝምርሑ መንግስታትትን ኣብ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩ ጉጅለታት ዘሎ ፍልልይ ግሁድ እንከሎ ኮነ ኢልካ ኣድልዎ ዘለዎ ሓሳብ ምሃብ እዩ፡ ንኹሎም ብማዕረ ምጥማት ነቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ሸፋፊንካ ንምሕላፍ እዩ" ኢሎም። ሶማላዊት ዝመቦቆላን ኣብ ኣመሪካ ስደተኛ ዝነበረት ኣባል ኮንግረስ ኮይነን ካብ ዝተመረጻ ደቂ ኣንስትዩ ኣስላም ናይ መጀመርታ ዝኮነት ኢልሃም ብሓሙስ ንግሆ መልሲ ኣብ ዝሃበትሉ "መሕፈራት" ድሕሪ ምባል "ውሽጠ ውሽጢ ኣብ ልዕሊ እስላም ጽልኢ ንኽፍጠር ትጉስጉሱ" ኢላቶም። ኢልሃም ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፈቶ'ውን "ኣባላት ኮንግረስ ኮይኖም ደገፍ ምስ ዝደልዩ ይጽውዑኒ ሕጂ ኸኣ ተገልቢጦም መብርሂ ደሊና ኢሎም ኣንጻረይ ደው ዝብሉ መሕፈራት ኢኹም" ኢላ። ጉጅለ ጸጋማይ ክንፊ ናይ ዲሞክራትስ እናተባሃላ ዝግለጻ ኣሌክሳንድራ ኦካዝዩ ትርከበን 'ጉጅለ' ግን ንኢልሃም ንምሕጋዝ'የን ተጓይየን። እተን ጉጅለ፡ ናብ ኢልሃም ዑመር ዘነጻጸረ መጥቃዕትታት ብተደጋጋሚ ከጋጥም ከምዝጸንሐ ብምግላጽ ሕጂ'ውን ካብኡ ብዘይፍለ "ንምክፋእን ንኢልሃም ዘይመልክዓ ንምሃብን ዝዓለመ እዩ" ኢለን። ኢልሃም ዑመር ብወገና "ንግብረሽበራውያን ጉጀለታት ምስ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ኣየወዳደርኩን ኮነ ኢልካ ዝተዳለወ ዝንቡዕ ፍርዲ እዩ" ኢላ። ብድምጺ ኣብ ዝዘርገሐቶ መልእኽቲ "ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝዛረበሉ፡ ብመልእኽትታት ናይ ሞት መጠንቀቕታታት እየ ዘዕለቕልቕ" ኢላ። ሰራዊት ኣመሪካ 11 መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጥቕሊሉ ክወጽእ'ዩ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ 11 መስከረም 2021 ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ከም ዝወጽእ ንክሕብር መደብ ወጺኡ ከም ዘሎ ሰብ መዚ ኣመሪካ ንማዕከናት ዜና ሓቢሮም። ብመሰረት ምምሕዳር ዶናልድ ትረምፕ ምስ ጣሊባን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበሮ ስምምዕ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ግንቦት'ዩ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ነይርዎ። እንተኾነ ምውጻእ ሰራዊት ናይ ኣፍጋኒስታ ምስቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ብ 11 መስከረም 2001 ኣብ ዎርልድ ትሬድ ሰንተርን ፔንታጎንን (ቤተ ጽሕፈት ምክልኻል ኣመሪካ) ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክሳነ ስለ ዝተደለየ እቲ መዓልቲ ከም ዝተሰሓበ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ እቲ ሰራዊት ኣመሪካ 1 ግንቦት 2021 ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽእ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንምትግባሩ ክኸብድ ከም ዝኽእል ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ። ሰብ መዚ ኣመሪካን ኪዳን ኣትላንቲክን (ኔቶ)፡ ጣሊባን ጎነጻዊ ተግባራት ከጉድል ዝከተሞ ውዕል ኣብ ባይታ የተግብሮ ከም ዘየለ'ዮም ዝገልጹ። ጣሊባን ንሰራዊት ኣመሪካ እናወጽአ እንከሎ ከጥቕዖ እንተፈቲኑ፡ ሓያል ዝኾነ ግብረ መልሲ ክውሃቦ ምዃኑ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል መዚ ኣመሪካ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ ኣሎ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቱ ሮቡዕ መግለጺ ክህብ እዩ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ጋዜጤኛ ቢቢሲ ሰኩንደር ክረማኒ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ንጣሊባን ዳግማይ ንክስስንን ንክሕይልን ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም ዝኣመኑ ሰባት ብዙሓት ምኳኖም'ዩ ዝሕብር። ጣሊባን ቅድምን ድሕርን ስምምዕ ተጻባኢ ባህሪኦም ከም ዘይተቐየረ ዝገልጽ ሰኩንደር ክረማኒ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ምስ ወጽአ'ውን ዝያዳ ክስስኑ እንተዘይኮይኑ፡ ባህሮም ዘቐይሮም ምኽንያት ክህሉ ከም ዘይክእል ገሊጹ። ገለ ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ምምሕዳር ጆ ባይደን ነቲ ኣብ እዋን ዶናልድ ትራምፕ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዳግማይ ክኽልሶ እዩ ዝብል ተሰፋ ነይርዎም። ክሳብ ሕጂ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን ክግብር ዝጸንሐ ዝሕቱል ርክባት፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ቅድሚ ምውጽኡ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ስልጣን ክማቐሉ ናብ ዘኽእል ስምምዕ ክብጽሑ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ'ዩ። ጣሊባን፡ ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ብምውሳድ ናይ ሓይሊ ልዕልንኡ ከርኢ ክፍትን ከምዝኽእል ግን ብዙሓት ብፍርሒ ዝጽበይዎ ዘለዉ እዩ። ጣሊባን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ 'ብዛዕባ መጻኢ ኣፍጋኒስታን' ኣብ ቱርኪ ክካየድ ዝተወጠነ ዋዕላ፡ 'ባዕዳውያን ሓይልታት' ካብ ኣፍጋኒስታን ከይወጽኡ ኣብቲ ዋዕላ ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ቐጠር ዝርከብ ውሃቢ ቃል ጣሊባን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኩሎም ባዕዳውያን ሰራዊት ካብ መሬትና ከይወጽኡ፡ ኣብ ዝኾነ ንኣፍጋኒስታን ዝምልከት ዓውደ ዘተ ኣይክንሳተፍን ኢና" ኢሉ። ዋና ጽሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ከምኡ'ውን ዋና ጽሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሊሎይድ ኦስቲን ንምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ብራስለስ ንኣባላት ሃገራት ኔቶ ሮቡዕ መብርሂ ክህቡ ትጽቢት ይግበር። ኣመሪካ፡ ካብ 2001 ጀሚራ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰራዊታ ካብ ተዋፍር ልዕሊ 2000 ሰራዊት ከም ዝኸሰረትን ትሪልዮናት ዶላር ከም ዘባኸነትን እዩ ዝግለጽ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ጣሊባን ዝኣተዎ ዋል እንተኣተግቢሩ (ኣልቃዒዳ ይኹኑ ካልእ ዕጡቓትን ናብ ኣፍጋኒስታን ከይኣትዉ እንተገይሩን ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘተ ውዕል ሰላማ እንተቀጺሉን) ኩሎም ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሮም ዘለዉ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ውሽጢ 14 ኣዋርሕ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ዘገድድ ነጥቢ ኣለዎ። ጣሊባን ብወገኑ፡ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘተ ንክጅምር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣሽሓት ኣባላቱ ክፍትሑ ከም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጥዎ። እዚ ኣብ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ቀዳማይ ርከብ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ጣሊባንን ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ኣብ ዶሓ ተኻይዱ። ሰራዊት ጣሊባን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከቡ ሰራዊት ባዕዲ መጥቃዕቲ እኳ እንተኣቋረጾ ምስ መንግስቲ ኣፍጋኒስታን ዘካይዶ ዝነበረ ኵናት ግን ኣየቋረጾን። ጣሊባን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቶም ሰራዊት ባዕዲ ክሳብ ጠቕሊሎም ዝወጽኡ (ብመሰረት እቲ ስምምዕ 1 ግንቦት 2021 እዩ ክወጽኡ ዝግብኦም) ኣብ ልዕሊኦም ዝገብሮ መጥቃዕቲታት ከም ዘየቋርጾ ኣፈራሪሑ ነይሩ። ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ሰራዊት ጣሊባን ዝያዳ ተርኒዑ ንሰራዊት ኣፍጋኒስታን ክዕብልሎ እዩ ዝብል ስግኣት ካብ ብዙሓት ዝስማዕ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣፍጋኒስታን 9600 ሰራዊት ኔቶ ክህልዉ እንከለዉ፡ ካብዚኦም እቶም 2500 ሰራዊዊት ኣመሪካ እዮም። ኣብ ሱዳን ከም ብሓድሽ ኣብ ዝተልዓለ ተቓውሞ 5 ሰልፈኛታት ተቐቲሎም ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሓሙሽተ ሰላማዊ ሰባት ከምዝተቐትሉ ማሕበር ማእከላዊ ኮሚቴ ደኳትር ሱዳን ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር ከምዝበሎ፡ እቶም ኣርባዕተ ብጥይት ቆሲሎም ዝሞቱ ኾይኖም፡ እቲ ሓደ ድማ ብምኽንያት ካብ ፖሊስ ብዘተፈነወ መንብዒ ጋዝ እዩ ሞይቱ። ፖሊስ ናብ ሰልፈኛታት ጥይት ከምዘይተኮሰን፡ ተመጣጣኒ ሓይሊ ከምዝተጠቕመን እዩ ዝገልጽ። ሃገራዊ ቴሌቪዝን ሱዳን ድማ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ቀዳም ተቓውሞ ሰልፊ 39 ፖሊስ ከምዝቖሰሉ ጸብጺቡ። እዚ ጎንጺ ዝተመልኦ ተቓውሞ፡ መራሕቲ ሰራዊት ነታ ሃገር ዝመርሕ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ምጥያሾም ስዒቡ እዩ ተወሊዑ ዘሎ። ጀነራል ቡርሃን፡ እቲ ሓበራዊ ሲቪል-ሰራዊት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ኣፍሪሱ ንሲቪላዊ መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ዝዝከር እዩ። እዚ ስጉምቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰፊሕ ተቓውሞ ኣተኣናጊዱ ይርከብ። ካብኡ ጀሚሩ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራስያውን ሲቪላውን መሰጋጋሪ መንግስቲ ንክጣየሽ ዝሓቱ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኦም ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ሓያሎ ሓይልታት ጸጥታ እዩ። ጎናጎኒ’ውን ኣብ ፓሪስን በርሊንን ሓዊሱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም። ኤኤፍፒ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ካርቱም ዝካየዱ ዝነበሩ ሰልፍታት ተቓውሞ ሰልፈኛታት፡ “ ወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ኣይንቕበልን!” እናበሉ ይጭርሑ ነይሮም ኢሉ። እቲ ኮሚቴ ደኳትር፡ እዩ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝገለጸ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኾይኑ፤ እቲ ጉጅለ ከምዝብሎ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ። ከምኡ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ከተማ ዖምዱርማን ናብ ሓደ ሆስፒታል ብምእታው ብርክት ዝበሉ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ተባሂሉ። ነዚ ዜና ስዒቡ፡ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ ‘ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዲሞክራስን ነጻነትን ዘይመጣጠን ሓይሊ’ ከምዝተጠቕሙ ኣብ ትዊተሩ ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ብራዚል ካብ ስልጣን ክወርድ ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ተኻይዱ ኣብ ዓበይትን ኣናእሽቱን ከተማታት ብራዚል፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ፕረዚደንት እታ ሃገር ጄር ቦልሶናሮ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጽውዕ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም፡፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ክወርድ ዝተሓተተሉ እዚ ሰልፊ ተቓውሞ፡ እታ ሃገር ኣብ መጻኢ ሓደ ዓመት ሃገራዊ መረጻ ክተካይድ ምድላዋት ኣብ እትገብረሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቲ ተቓውሞ ማሕበራት ሸቃሎን ውድባት ተቐውሞን ብሓባር ዝጸውዕዎ ምዃኑ ይንገር። ቅድሚ መረጻ ዝእከቡ ዘለዉ ናይ ወሃብቲ ድምጺ ርእይቶታት ፡ ፕሬዝዳንት ቦልሶናሮ ከምዝሰዓር ዘመላኽቱ እዮም። እቲ ፕረዚደንት ብፍላይ ነቲ 600 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ዝሰኣንሉ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝሓዘሉ መንገዲ ይንቀፍ ኣሎ። ትማሊ ቀዳም፡ ኣብ ልዕሊ 60 ከተማታት ነቲ ፕረዚደንት ዝቃወሙ ሰልፍታት ዝተኻየዱ ኾይኖም፡ እቶም ሰልፈኛታት ኣሳእል ፕርዝዳንት ቦልሶናሮ ሒዞም ካብ ስልጣኑ ክወርድ ክሓቱ ተራእዮም። ቫልዶ ኦሊቬራ ዝተብሃለ ተሳታፊ፡ “እዚ ፕረዚደንት ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ድሑራት ነገራት ብሙለኦም እዩ ዝውክል። ጥሜት፣ ድኽነት፣ ብልሽውና ኣሎ፤ ስለዝኾነ’ውን ሕቶ ዲሞክረሲ ሒዝና ኢና ሰልፊ ወጺእና” ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ። ፕሬዝዳንት ቦልሶናሮ ካብ ስልጣን ክወርድ ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር ልዕሊ 100 ሕቶታት ዝቐረቡ እንተኾኑኳ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ነቶም ቀንዲ ሕቶታት ከልዕል ኣይከኣለን። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ግን፡ ኣብ ቀረባ እብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ዝካየዱ ብዙሓት ምርመራታት ኣጽዲቑ ኣሎ። ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ነቲ ፕረዚደንት ዝድግፉ ብዙሓት ሰልፍታት ተኻይዶም ነይሮም። እዚ ድማ እቲ ፕረዚደንት ብዙሕ ድጋፍ ከምዘለዉ ንክመስል ዝተገብረ ፈተነ እዩ ተባሂሉ። እቲ ፕረዚደንት ክሳብ መጻኢ ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሕ እንተኾነ’ኳ፡ ዘጽድቖም ውሳነታት ተኣማንነቶም እናነከየ መጺኡ እዩ። ኣትላስ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝኣከቦ ርእይቶ ህዝቢ 61 ሚኢታዊት ብራዚልያውያን ኣፈጻጽማ መንግስቶም ሕማቕን ኣዝዩ ሕማቕን ክብሉ ገሊጾምዎ። ብ2019 ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ መሪሕነት ቦልሶናሮ ናብ ስልጣን እንትመጽእ ዝረኸቦ ድምጺ 23 ሚኢታዊት ጥራይ እዩ ነይሩ። ንገጽ ትዊተር እቲ ፕረዚደንት ከዕጽዎ ከም ዝኽእል'ውን" ኣፍሊጡ። እቲ ፕረዚደንት ብተደጋጋሚ ንመምርሒታት እቲ ትካል ክጥሕስ ይርኣ ነይሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፌስቡክ ናይ 24 ሰዓታት እገዳ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ከንብር እንከሎ፤ ዩትዩብ እውን ነቲ ቪድዮኡ ኣሊይዎ። ፌስቡክ ነቲ ጽሑፍ ዝኣለየሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ "ንተኽእሎ ናይ ጎነጽ ዘጉድል ዘይኮነ ዘብዝሕ ምዃኑ ስለዝኣመንና ኣሊናዮ ኣሎና" ኢሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ክልቲኦም ማሕበራዊ ሚድያታት ንሓዋሩ ከይጽሕፍ ኣጊዶምዎ። ላይቤርያዊ ሚንስትር ንበዓልቲ ቤቱ ብህያብ ዘቕረባ መኪና ንብዙሓት ኣቖጢዓ ኣብ ላይቤሪያ ሓደ ሚንስትር ንበዓልቲ ቤቱ ብመልክዕ ህያብ መዓልቲ ልደታ ዘቕረባ መኪና ንብዙሓት ደገፍቲ ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ከምዘቖጠዐት ተገሊጹ። እቲ ሹመኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝኾነ ሓጋዚ ሚንስትር፡ ነታ ብኽቡር ዋጋ ዝተዓደገት መኪና ዝለዓለ ዋጋ ዝተኸፈሎ ሻምፓኝ መስተ እናነጸገ ንሰበይቱ ከወፍየላ ዘርእይ ቪድዮ ምዝርግሑ ስዒቡ’ዩ ንደገፍቲ ውድብ ኮንግረስ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ [‘ኮንግረስ ፎር ዴሞክራቲክ ቻንጅ’] ዘቖጠዐ። ክንፊ መናእሰይ እቲ ውድብ ነቲ ጀምስ ኢማኑኤል ፖተር ዝተበሃለ ሹመኛ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈጸሞ ተግባር “ግዱስነት ዘይተመልኦ ምርኢት ሃብቲ” ብዝብል ነቒፉ። እቲ ውድብ ንዝቖመሉ መትከላትን ስነ-ሓሳባትን ከምዝጻረር ድማ ወሲኹ ሓቢሩ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓላፍነት ሎጂስቲክስ ዝሰርሕ እቲ በዓል መዚ ንነባራዊ ኩነታት እታ ሓንቲ ካብ ድኻታት ሃገራት ዝኾነት ላይቤርያ ዝጻባእ ተግባር ከምዝፈጸመ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንሱ ብወገኑ ነቲ ዝቐረበ ነቐፌታ ኣመልኪቱ ብፌስቡክ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፤ ዘሕጉሶ ኩሉ ነገር ንምፍጻም ዘኽእሎ መሃያ ክረኽበሉ ኣብ ዝኽእል ስራሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ሓደ ተጠቃሚ ፌስቡክ “ብዙሓት ኣብ ዝተጸገሙሉ ኩነታት ፖተር ንበዓልቲ ገዝኡ መኪና ገዚኡ ብኣዝዩ ክቡር ሻምፓኝ ነጺጉ’ሎ። እዚ ግን ንድኻ ምሕጋዝ’ዶ ይኸውን?” ክብል ንተግባር እቲ ሓጋዚ ሚንስትር ነቒፉ። ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ “ብናይቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ድኻ ህዝቢ ወጻእታት ኣዝዩ ምችው ናብራ ይነብሩ” ኢሉ። ነቲ ሚንስትር ዝደገፉ’ውን ኣይተስኣኑን። ሓደ ካብኣቶም “ሰብኣይ ንበዓልቲ ገዝኡ መኪና ምግዝኡ ዓብይ ነገር ኣይኮነን። ይሰርሕ ስለዘሎ ነዛ ንኢሽተይ መኪና ክገዝእ ዘኽእሎ ኣታዊ ከምዝረክብ እምነት ኣለኒ። ነዚ ጽልኣትኩም ደው ኣብሉ” ክብል ገሊጹ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝምታ ዝተዓጀበ ናዕቢ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ ንማእሰርቲ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ብዝተወለዐ ናዕቢ ዝሞቱ ሰባት ናብ 72 ከምዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ። ብዝሒ ናይቶም ዝሞቱ ሰባት ድማ ነቶም ብሰኑይ ኣብ ሶዌቶ ዝርከብ ማእኸል ዕዳጋ ዝምታ እንትፍጸም ዝተቐተሉ 10 ሰባት ከምዝሓውስ ተፈሊጡ። ቢቢሲ ኣብ ከተማ ደርባን ካብ ሓደ ተዘሪፉ፡ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ሓዊ ዝነድድ ህንጻ፡ ሓንቲ ንኡሽተይ ቆልዓ ካብ ላዕሊ ክትድርበ ብቪድዮ ቀዲሑ’ሎ። እቲ ዘይምርግጋእ ካብ ዝጀመረሉ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝተዋፈረ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ክቆጻጸሮ ብዘይምኽኣሉ ሰራዊት እታ ሃገር ንሓገዝ ተዋፊሩ ይርከብ። ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ናዕቢ ኣሳዊሮም ዝበሎም 12 ተጠርጠርቲ ከምዝነጸረ ዝገልጽ ኮይኑ ዛጊድ ድማ 1,234 ሰባት ኣብ ቀይዲ ውዒሎም። ፕረዚደንት እታ ሃገር ሲሪል ራማፎሳ፡ ካብ 1990 ጀሚሩ ኣብ ዘሎ እዋን ካብ ሞንጎ ዘጋጠሙ ኣዝዮም ዝኸፍኡ ዓመጻት ሓደ ክብል ገሊጽዎ። እቲ ሕዚ ዝፍጸም ዘሎ ሰፊሕ ዝምታ ዝቕጽል እንተኾይኑ ሓደጋ ሕጽረት መሰረታዊ ሸቐጣት ዘጋጥመሎም ከባብታት ከምዝህልዎ ሚንስትራት ኣጠንቂቖም። ኣብ ደርባን ዝርከቡ ሹቓት ዝዘመቱ ሰባት ነቲ ህንጻ ስለዘንደድዎ ኣብኡ ዝነብሩ ሰባት ናብ ሓደጋ ክኣትዉን ቆልዑ ንምድሓን ካብ ላዕሊ ክሳብ ምድብራይ ከምዝተበጽሐን ምርግጋጽ ተኻኢሉ። ብዙሓት ሓለፍቲ መገድን ጎረባብትን ከኣ መሳልል ብምጥቃም ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ደብሪ እቲ ህንጻ ዝነበሩ ሰባት ንምድሓን ክረባረቡ ከምዝተዓዘበት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኖምሳ ማሴኮ ተዛሪባ። ብሰኑይ ጥራሕ ልዕሊ 200 ማእኸላት ዕዳጋ ከምዝተዘምቱ ወኪል ዜና ብሉምበርግ ጸብጺቡ። ብፍላይ ኣብ ከተማ ሶዌቶ ዝርከቡ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ክዝረፉ ከለዉ፤ ማሽናት ኤቲኤም ተሰባቢሮም። ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ብሰኑይ ምሸት ዘረባ የስምዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከኣ ኣብ ደርባን ዝርከብ ባንኪ ደም ከምዝተወረረ ተፈሊጡ። እቲ ንሰፊሕ ዝምታን ስርቅን መንቀሊ ዝኾነ ዓመጽን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረን ብብልሽውና ዝተኸሰሰን ጃኮብ ዙማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምእታዉ ስዒቡ’ዩ ተወሊዑ። ጆቨነል ሞይስ፡ ሄይቲ ፕረዝደንታ ምቕታሉ ስዒቡ ናይ ወፃኢ ወተሃደራት ንሓገዝ ክለኣኹላ ሓቲታ ኣብዚ ሰሙን ፕረዝደንት ጆቨነል ሞይስ ብቅትለት ዝሰኣነት ሄይቲ፡ ቀንዲ መሰረተ ልምዓታት ንምሕላው፡ ናይ ደገ ወተሃደራት ናብታ ሃገር ክለኣኹላ ጠሊባ። መንግስቲ እታ ሃገር፡ እዚ ሕቶ ንኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ዘቕረበ እንትኾን፡ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ እዋን ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምግባር ትልሚ ከምዘይብላ ገሊፃ። ፖሊስ ሄይቲ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ 28 ቀንፀልቲ ዝሓዘ ናይ ወፃኢ ጉጅለ፡ ነቲ ፕረዝደንት ከምዝቐተልዎ ወግዓዊ ጌሩ እዩ። ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ፖርቶ ፕሪንስ ድሕሪ ዝተኻየደ ልውውጥ ተኹሲ፡ ነቶም 17 ከምዝኣሰረ ድማ ሓቢሩ። ካብ ሞንጎ’ቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ጡረታ ዝወፅኡ ወተሃደራት ኮሎምብያ ከምዝርከብዎም ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ። ዛጊድ፡ ሰለስተ ጥርጡራት ብፖሊስ ከምዝተቐተሉን፡ ካልኦት ሸሞንተ ደሃዮም ከምዘይተረኸበን ኣፍሊጡ። ዋላ’ኳ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ናብ ሄይቲ ወተሃደራተይ ኣይልእኽን እንተበለት፡ ነቲ ዝተፈፀመ ቅትለት ንምምርማር ግና ሰብመዚ ኤፍቢኣይን ሆምላንድ ሴክዩሪቲን ከምትልእኽ ትማሊ ዓርቢ ወግዓዊ ገይራ። ሕቡራት ሃገራት፡ ናብ ሄይቲ ዓለምለኻዊ ወተሃደራት ክልእኽ እንተኾይኑ ከኣ፡ ብመሰረት መመርሒ እቲ ውድብ፡ ብባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ክፀድቕ ግድን’ዩ። ቅትለት ፕረዝደንት ጆቨነል ሞይስ ኣብታ ድኻ ዝኾነት ሄይቲ ናዕቢ ዘስዓበ እንትኾን፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ድማ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ተኣዊጁ’ሎ። እንተኾነ፡ ሕዚ ኣብ መንግስትነት እታ ሃገር ኣብ ሓላፍነት መን ኣሎ ዝብል ግልፂ ኣይኮነንነ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ፕረዚደንት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብመን ተወዲቡ፡ ንምንታይ ዕላማ ዝብል’ውን ዛጊድ ኣይተነፀረን። ኣብ መንበሪ ገዛ እቲ ፕረዝደንት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ፕረዝደንት ጆቨነል ሞይስ ክቕተል እንከሎ፡ ጓል 47 ዓመት በዓልቲ ገዝኡ ማርቲነ ሞይስ ድማ ብኸቢድ ተጎዲኣ ኣብ ሕክምና ትርከብ። ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ሊዮን ቻርለስ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝኣተዉ ጥርጡራት እቲ ጉጅለ፡ 26 ኮሎምብያውያንን ክልተ ናይ ሄይቲ መበቆል ዘለዎም ኣሜሪካውያንን ከም ዝርከብዎ ሓቢሩ። ህዝቢ ክረጋጋዕን ብወነኑ ሕጊ ንምትግባር ከይፍትንነ ድማ ተማሕፂኑ። መንግስቲ ኮሎምብያ ንምርመራ ኣብ ዝግበር ፃዕርታት ንሄይቲ ከምዝሕግዝ ቃል ኣትዩ። ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ካልእ ፕረዝደንት ብባይቶ ክምረፅ እዩ ዝድንግግ። እንተኾነ ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝነበረ መረፃ እንከይተኻየደ፡ ጆቨኔል ሞይስ ሓያል ናዕብታት ኣብ ዝካየደሉ ብድንጋገ እዩ ንሄይቲ ከመሓድራ ፀኒሑ። ኣብ መቐለ 'ዘይሕጋዊ ሰልፊ ከካይዱ ተታሒዞም' ብዝብል ዝተኣስሩ 9 መናእሰይ ክሲ ክምስረቶም'ዩ ፖሊስ: ኣብ ከተማ መቐለ ዘይሕጋዊ ሰልፊ ንምክያድ እንትዳለዉ ሒዘዮም ዝበሎም 9 መናእሰይ ድሕሪ 7 መዓልታት ብዕሊ ክሲ ክምስረቶም እዩ። እቶም መናእሰይ ን46 መዓልታት ዝታአስሩ ኮይኖም፡ ሎሚመዓልቲ ድማ ጉዳዮም ናብ ዓቃቢ ሕጊ ሓሊፉ ተባሂሉ። ይኹን እምበር፡ ተወሳኺ 7 መዓልታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክፀንሑ ቤት ፍርዲ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ኣዚዙ። እቶም መናእሰይ: ንመንግስቲ ትግራይ ብሓይሊን ዓመፅን ንምዕላው ዘለዓዕሉ ጭርታት ፅሒፎም: ኣብ ኣደባባይ ሮማናት ሰልፊ ንምክያድ እንትዳለዉ ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ምግላፁ ይዝከር። ጉዳዮም ኣብ ዕጽው ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ወያነ ዝተራእየ ኮይኑ፡ ፖሊስ ኣጻርዩ ተወሳኺ መረዳእታ ንምቕራብ ብመሰረት ዝሓተቶ ግዜ፡ ተወሳኺ ቖጸራ ተዋሂብዎም ነይሩ። ፖሊስ ከተማ መቐለ ከም ዝበሎ፡ እቶም መናእሰይ፡ "ዘይሕጋዊ ሰልፊ" ከካይዱ ፈቲኖም ተባሂሎም'ዮም ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም። ህዝቢ ትግራይ ሓራ ክወጽእ እንተድኣ ኮይኑ፡ "ህወሓት ካብ ስሩ ክንቀል ኣለዎ" ዝብል ጭርሖታት ከዳልዉ ከም ዝተረኽቡ ፖሊስ ንቢቢሲ ገሊጹ። እቶም መንእሰያት ምስ ሓደ "ፈንቅል" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣንጻር ህወሓት ከም ዝንቀሳቐስ ዝገልጽ ጉጅለ ርክብ ኣለዎም ንዝብል ጸብጻብ ግን፡ ኣባላቱ ከምዘይኮኑ ሓቢሩ። ይኹን'ምበር ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለው ሰባት ዛጊድ ዝተረኽ ሓበሬታ የለን። ኣብ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣስማቶም ተረቚሑ ኣብ ቅትለት ስነጥበባዊ ሃንጫሉ ሁንዴሳ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት መንነቶም ከም ዝተፈልጠ ዋና ዓቃቢት ሕጊ ፌደራል፡ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሎሚ ኣፍሊጣ። ክልተ ካብኦም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን፡ እቲ ሳልሳይ ግን ይድለ ምህላዉን ወ/ሮ ኣዳነች ጠቒሳ። ብድሕሪ እቶም ውልቀሰባት ብምዃን ኣብቲ ቅትለት ተራ ኣለዎ ዝበለቶ ጉጅለ ከምዘሎ’ውን ተዛሪባ። እቶም ብስም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ሰባት፡ ጥላሁን ያሚ፣ ኣብዲ ኣለማየሁን ከበደ ገመቹ ዝተባህሉ እዮም። ብወገኖም ይኹን ዝውክሎም ኣካል ግን ብዛዕባ’ቲ ክሲ ዝተዋህበ የለን። ነቲ ስነጥበባዊ ጥይት ተኲሱ ዝቐተሎ ውልቀሰብ ጥላሁን ያሚ ዝተባህለ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ብቐጥታ ኣብቲ ቅትለት ተሳተፍቲ እዮም ክትብል እታ ዓቃቢት ሕጊ ከሲሳ። እታ ላዕለወይቲ ዓቃቢት ሕጊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ሰለስቲኦም ውልቀሳባት፡ ካብ ሸኔ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ኦሮሞ፡ ነቲ ቅትለት ክፍጽሙ ብዝተዋህቦም ተልእኾ መሰረት ነቲ ተግባር ፈጺሞም ኢላ። እቲ ጉጅለ፡ መንግስቲ ተዳኺሙ፡ ክፈርስ ተቓሪቡ ኣሎ ኢሉ ብምእማንን ብምፍርራሕን ነቲ ቅትለት ክፍጽሙ ከምዘገደዶም ተኣሚኖም ክትብል'ውን ተዛሪባ። ጥላሁን ያሚን ኣብዲ ኣለማየሁን ክትሓዙ እንከለዉ፡ እቲ ሳልሳይ ጥርጡር ዝኾነ ከበደ ገመቹ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተታሕዘን። እቶም ጥርጡራት፡ ካብ ጉጅለ ሸኔ ነቲ ተልእኾ ክቕበሉ እንከለዉ፡ ዝርዝር ኣስማት ከምዘሎ ጥራይ እንተዘይኮይኑ፡ ዒላማ ናይቲ ተልእኾ ዝኾነ ሰብ ብንጹር ከምይዘይተነግሮም ሓቢሮም ኢላ። ውሩይ ስነጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ ዝኾነ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ብ22 ሓምለ ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምቕታሉ ብዝተወለዐ ናዕቢ ብውሕዱ 200 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ምስቲ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር። ሰበስልጣን መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ህወሓት ኣብ ምውዳብን ምውህሃድን ናይቲ ናዕቢ ኢድ ኣለዎ ክብሉ ብቐጥታ ክኸሱ ቀንዮም። ህወሓት ንሃጫሉ ኣብ ምቕታል ይኹን፡ ናዕቢ ኣብ ምውዳብ ኢድ ከምዘይብሉ ብምግላጽ እቲ ክሲ "ጻዕዳ ሓሶት'ዩ" ክብል ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነጺግዎ። መንግስቲ ናቱ ድኽመት ንምሽፋን ካልኦት ይኸስስ ኣሎ ክብል'ውን ወቒሱ። ኣብ ናይጀርያ ተቓውሞታት ንምቁጽጻር ፖሊስ ሙሉእ ሓይሉ ኣዋፊሩ ኣብ መላእ ሃገረ ናይጀርያ ይካየድ ዘሎ ዘመተ ዝተሓውሶ ናዕብን ተቓውሞታትን ንምቁጽጻር፡ ፖሊስ እታ ሃገር ኣለኒ ንዝብሎ ሓይሊ ሙሉእ ንሙሉእ ንምጥቃም ከምዘዋፈረ ገሊጹ። ሓላፊ ፖሊስ [ኢንስፔክተር ጀነራል] እታ ሃገር ሞሓመድ ኣዳሙ፡ እቶም ኣንጻር ናይ ፖሊስ ጭካነታት ዝካየዱ ዝነበሩ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ብገበነኛታት ከምዝተጨወዩ ተዛሪቡ። ንሱ፡ እዚ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ። እታ ሃገር መሊኣ ናብ ኣልቦ-ሕጊ ቅድሚ ምስግጋራ፡ ኣድላይ ዝበሃል ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ድማ ወሲኹ። ፖሊስ ነቲ ዕግርግር፡ ንብረት ምዝማትን ምዕናውን ክቆጻጸሮን ዕልባት ክገብረሉን ከምዝተኣዘዘ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ኣንጻር ጭካነ ፖሊስ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ተቓውሞ ካብ ዝጅመር ሻውዓይ መዓልቱ ኣቑጺሩ። እቶም መብዛሕተኦም መናእሰይ ዝርከብዎም ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ሰልፈኛታት፡ ብፍላይ ጸረ-ስርቂ ዝተብሃለ ክፍሊ ፖሊስ ክብተን እዮም ዝጠልቡ። ፖለቲካ ናይጄርያ ንሓዋሩዶ ይልወጥ ይህሉ? ፕረዚደንት ሙሓመዱ ቡሃሪ፡ እቲ ተቓውሞ ዝተልዓለሉ ብቕትለት፣ መግረፍትን ምስዋርን ዝኽሰስ ክፍሊ ፖሊስ ክብተን እንተገበረ’ኳ፡ እቲ ናይ ቓውሞ ሰልፊ ግን ብኡ ኣቢሉ ጠጠው ኣይበለን። እኳ ደኣስ፡ ሓደሽቲ ፖለቲካዊ ጠለባት ተሓንጊጡ ብብርኪ ሃገር ቀጺሉ ኣሎ። ናይጀርያ እትመሓደረሉ ዘላ፡ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ክመሓየሽን ክልወጥን ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ። እቶም ሰልፍታት ተቓውሞ ዝተጋደዱ፡ ዘይተዓጥቑ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ከተማ ሎጎስ፡ ምስ ተቐትሉ እዩ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽል፡ ልዕሊ 12 ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጥራይ ከምዝተቐትሉ ዘፍለጠ ኾይኑ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ጣልቃ ከምዘይኣተወ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብተን ዝሓለፋ መዓልታት፡ ኣብ ሎጎስ ከቢድ ዕንወትን ዘመተን ዝተፈጸመ ኾይኑ፡ ብፍላይ ድማ ብሰብ ስልጣን ዝውነኑ ማእከላት ንግድን ህንጻታትን ብፍሉይ ከምዝተጠቕዑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ መንግስታዊ ህንጻታትን ኣብያተ ማእሰርትን ድማ ዓንዮም ተባሂሉ። ትማሊ ቀዳም ድማ፡ ብፍላይ ጆስ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ፡ መንግስታዊ ናይ ምግቢ መኽዝናት ከምዝተወረሩ ተፈሊጡ። እቶም መኽዝናት፡ ምስ ኮቪድ-19 ተኣሳሲሩ፡ ንኽፉእ እዋን ምግቢ ዝተዓቖረሎም ከምዝነበሩ ይዝረብ። ፕረዚደንት ቡሃሪ፡ ዛጊድ ምስቲ ተቓውሞታት ተዛሚዱ ኣስታት 69 ሰባት ከምዝሞቱ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሌጎስ፡ ነቲ ተቓውሞታት ዝውድብ ዝነበረ ጉጅለ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሰባት ካብ ገዘኦም ከይወጽኡ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። ፑቲን፡ ስልጣኑ ንዝፍተን ዘሎ ፕረዚደንት ቤላሩስ ከምዝሕግዞ ቃል ኣትይሉ ምስ ሃገራዊ መረጻ ብዝተኣሳሰር፡ ስልጣኑ ኣብ ፈተና ኣትዩ ዘሎ ፕረዚደንት ቤላሩስ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ገለ ናይ ደገ ሓይልታት ኢድ ከእትዋ እንተሃቂነን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ክሕግዞ ቃል ከምዝኣተወሉ ተዛሪቡ። ሚስተር ሉካሼንኮ፡ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ኣብ ከም ፖላንድ ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ከምዘስገኦ’ውን ገሊጹ እዩ። እዚ ዜና ተሰሚዑ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ነሓሰ 9 ዝተኻየደ ኣካታዓይ መረጻ ስዒቡ ሓያል ተቓውሞ ድሕሪ ምግጣሙ እዩ። ትማሊ ቀዳም፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ሙሉእ ናይ ሚድያ ሽፋን ክረኽቡ ንምሕታት ኣብ ኣፍ ደገ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቴሌቪዥን እታ ሃገር ዓሲሎም ተራእዮም። ሎሚ መዓልቲ ድማ፡ ‘ማርች ፎር ፍሪዶም’ ማለት’ውን ‘ጉዕዞ ንናጽነት’ ብዝብል መሪሕ ቃል፡ ድሕሪ ቀትሪ እቲ ሰልፊ ክቕጽልሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ። ነዚ ዝጻረርን ነቲ መንግስቲ ዝድግፍን ሰላማዊ ሰልፊ ድማ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ተጸዊዑ ኣሎ። ኣብዝሓ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ምስቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኮይኖም ድምጾም ዘስምዑ ኾይኖም፡ ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብቲ ነቲ መንግስቲ ድጋፍ ዝተጸወዐ ሰልፊ ንክወጽኡ ጽዕንቶ ይግበረሎም ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ። እዚ ተቓውሞን ምክፍፋልን፡ ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ፡ ብዓብዪ ኣፈላላይ ከምዝተዓወተ ምስ ኣፈለጠ እዩ ጎሊሁ ወጺኡ። እቲ መረጻ፡ ምትላል ዝነበሮ እዩ ዝብል ተቓውሞታት ኣሎ። ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ እቲ ፕረዚደንት 80 ሚኢታዊ ከምዝሰዓረ እዩ ኣፍሊጡ። እንተኾነ፡ እታ ቀንዲ ተነሓናሒት ናይ'ቲ ፕረዚደንት ዝነበረት ቲካኖቪሽያ፡ ድምጺ ብትኽክል ኣብ ዝተቖጸረሉ ቦታ፡ ካብ 60 ክሳብ 70 ከምዝሰዓረት ብምግላጽ፡ ነቲ በቲ ኮሚሽን ዝተውሃበ መግለጺ ኣይተቐበለቶን። ብ 'ሓሶት' ሰብ መዚ ዝተቖጥዑ ኢራናውያን ሰልፊ ኣካይዶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢራናውያን፡ ኣብ ከተማ ቴህራን ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ንሰብመዚ እታ ሃገር 'ሓሰውቲ' እናበሉ ቁጠዐኦም ገሊጾም። እዚ ድማ፡ ነታ ኣብ ኢራን ዝወደቐት ነፋሪት ዩክሬን፡ ሰብመዚ ኢራን መጀመርያ ኣይወቓዕናያን ኢሎም ክሒዶም ብምንባሮም እዩ። ብውሕዱ ኣብ ክልተ ዩንቨርሲቲታት ሰልፊ ተቓውሞ ዝተኻየደ ኾይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንብዒ ትኪ ተኲሶም። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቶም ሰልፈኛታት ዘለዎ ድጋፍ ብትዊተር ገሊጹ። ኢራን ነታ ናይ ዩክሬን ነፋሪት "ብጌጋ" ከምዝወቕዓታ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ዝኣመነት ኮይና፡ በቲ ሓደጋ 176 ሰባት ሞይቶም እዮም። ፈለማ፡ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ ነቶም ብሓደጋ ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት ዝኽሪ ንምግባር እዮም ተኣኪቦም። ኣጋምሸት ግን እቲ ቁጠዐኦም እናሓየለ ከይዱ። ወኪል ዜና ፋርስ፡ 1000 ዝኾኑ ሰባት ተኣኪቦም ኣንጻር መራሕቲ ኢራን ጭርሖታት ከምዘስምዑን ስእሊ ጀነራል ሶሌይማኒ ከምዝቐደዱን ጸብጺቡ። ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ተሓተትቲ ዝኾኑን ነቲ ተግባር ክሓብኡ ዝፈተኑን ሰብመዚ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እቶም ተምሃሮ ጸዊዖም። እቶም ሰልፈኛታት፡ ሃይማኖታዊ መራሒ ዓሊ ካመኒ ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝጽውዕን "ሞት ንሓሰውቲ" ዝብልን ጭርሖ ይጭርሑ ነይሮም። ፖሊስ ድማ፡ ነቶም መገዲ ይዓጽዉ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ክብትን መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ። እዚ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ምስቲ ድሕሪ ቅትለት ጀነራል ሶሌማኒ ዝተርኣየ ገዚፍ ሰልፊ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ንእሽቶ እዩ። ንህዝባዊ ተቓውሞታት ኣልጀርያ ዝመርሐት ጓል ኣንስተይቲ ተኣሲራ ኣብ ሃገር ኣልጀርያ ነቲ ካልኣይ ዓመቱ ዝሓዘ ናዕቢ ዝመርሑ ካብ ዝነበሩ ሓንቲ ዝኾነት ፍልጥቲ ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ። ጓል 44 ዓመት ኣሚራ ቦራዊ፡ ሽድሽተ ክስታት እዩ ቀሪቡላ። ካብኣቶም፡ "ንእስልምና ብምጽራፍ"፣ "ፕረዚደንት ብምጽራፍ"፣ ከምኡ'ውን "ኣንጻር ኣዋጅ ዕጽዋ ናዕቢ ምልዕዓል" ዝብሉ ይርከብዎም። ጠበቓኣ ሙስጠፋ ቡቻቺ፡ ነቲ ዝተውሃበ ብይን ኮኒንዎ'ሎ። ንኤ-ኤፍ-ፒ ከምዝተዛረቦ፡ "እቲ መንግስቲ እዚ ዝበሃል ጭብጢ ከየቕረበ እዩ እዚ ብይን ተዋሂቡዋ" ድሕሪ ምባል፡ ይግባይ ከምዝብሉ ገሊጹ። እታ ኣደ ክልተ ቖልዑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ እያ ካብ ገዘኣ ተወሲዳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትያ። ወይዘሮ ኣሚራ፡ ኣብ 2014 ፕረዚደንት ኣብዱዓኣዚዝ ቡታፍሊቃ ንራብዓይ ጊዜ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ይዳለወሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንዕኡ ብምቅዋማ'ያ ተፈላጥነት ኣጥርያ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ እዋን እቲ ዘካየደቶ ተቓውሞ ዕዉት ኣይነበረን። ፕረዚደንት ቡታፍሊቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓምሻይ ጊዜ ክወዳደር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ግን፡ ሓንቲ ካብ መራሕቲ ናይቲ ተቓውሞታት ብምዃን፡ ካብ ስልጣኑ ከምዝእለ ገይራ። እንተኾነ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዋጅ ዕጽዋ ክሳብ ዝመጽእ እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ቀጺሉ እዩ ነይሩ። ንሳ እትርከቦም ኣባላት ናይቲ 'ሒራክ' ብዝብል ዝፍለጥ ምንቅስቓስ፡ ሕዚ'ውን እቲ ኣብ ስልጣን ዝመጽአ ሓድሽ መንግስቲ ብብልሽውና ዝጠልቀየን ዘይምዕሩይን ክብሉ እዮም ዝነቕፍዎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ዓብዱል መጂድ ተቡነ ዝበሃል ሓድሽ ፕረዚደንት ምምራጹ ይዝከር። ሓያል ናዕቢ ስዒቡ፡ ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተብሃለ ጸሊም ኣመሪካዊ፡ ብፖሊስ ክሳዱ ተረጊጹ ምስሞተ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣመሪካ ሓያል ናዕቢ እዩ ተወሊዑ። ተቓውመኦም ዝገልጹ ሰባት፡ ምስ ፖሊስ ይጓነጹ ኣለዉ። ንብረትን'ውን ክዝመትን ክባራዕን ተራእዩ እዩ። ፖሊስ ድማ፡ መካይኖም ብሰልፈኛታት ክነድዳ ምስጀመራ፡ ዘንብዕ ትክን ጎማ ጥይትን ተጠቒሞም ነቲ ናዕቢ ክቆጻጸርዎ ፈቲኖም እዮም። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ ጎንጺ "ሰረቕትን ስርዓት ኣልቦታትን" እዮም ኣለዓዒሎምዎ ክብል ወቒሱ። ጆርጅ ፍሎይድ ብሰኑይ፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣእቲውዎ እንተሎ እዩ ኣብ ከተማ ሚኒያፖሊስ ሞይቱ። ንኽሳድ እቲ መዋቲ ዝረገጸ ወዲ 44 ዓመት ጻዕዳ ፖሊስ፡ ብቕትለት ዝተኸሰሰ ክኸውን ከሎ፡ ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብዙሕ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቲ ድሬክ ቸውቪን ዝበሃል ጻዕዳ ፖሊስ፡ ንኽሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ንብዙሕ ደቓይቕ ረጊጽዎ ይረኣይ። ፍሎይድ ድማ፡ ክትንፍስ ኣይከኣልኩን እናበለ ደጋጊሙ ክዛረብ ይስማዕ። ብውሕዱ ኣብ 30 ከተማታት ኣመሪካ፡ ዓበይቲ ተቓውሞታት ተኻይዱ። ኣብ ከተማ ቺካጎ፡ ሰልፈኛታት ናብ ፖሊስ ኣእማን ደርብዮም። ፖሊስ ድማ ብግድኡ ዘንብዕ ትኪ ተኲሶም። ብቐዳም ብዙሓት ሰባት እዮም ተኣሲሮም። ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ድማ፡ ሰልፈኛታት ንመካይን ፖሊስ ላምባ ዝመልአ ጠራሙዝ ደርብዮም ምስ ኣባርዑወን፡ ፖሊስ ናይ ጎማ ጥይት ብምትኳስ፡ ነቶም ናዕበኛታት ክብትንዎም ፈቲኖም። ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ብዙሕ ህዝቢ ንኻልኣይ መዓልቱ ተኣኪቡ ተቓውሞታቱ ገሊጹ። ኣብ ኣትላንታን ጆርጅያን፡ ብዓርቢ ህንጻታት ዓንዮም። ኣብ ከተማታት ሚኒያፖሰስ፣ ኒውዮርክ፣ ማያሚ፣ ኣትላንታን ፍላደልፍያን ድማ ኣሸሓት ሰባት ኣብ ጽርግያታት ጉዕዞ ብምግባር ተቓውሞታቶም ገሊጾም። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሕዚ ኣብ ከተማታት ሚኒያፖሊስ፣ ኣትላንታ፣ ሎስ ኣንጀለስ፣ ፍላደልፍያ፣ ፖርትላንድ ሉሰስቪልን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ሰዓታት ምሸት፡ ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ'ሎ። እንተኾነ፡ ሰልፈኛታት ነቲ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ይጥሕስዎ እዮም ዘለዉ። ብዙሕ ዕንወትን ዘመተን ከኣ የጋጥም ኣሎ። ኲናት ዩክረይን፡ ኣሜሪካ ምስ ሩስያ 'ምስጢራዊ ርክብ' ከምዘየቋረጸት ኣረጋጊጻ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ዘሎ መስመራት ርክብ ክፉት ምዃኑ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን ኣረጋጊጹ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ዋይት ሃውስ፡ ሱሊቫን ኣብ ዩክሬን ኑክሌራዊ ወጥሪ ንምክልኻል ምስ ሩስያ ዝካየድ ዝርርብ ክመርሕ ጸኒሑ ዝብል ጸብጻባት ክትነጽጎ ኣይደለየትን። ሱሊቫን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ክረምሊን ዘሎ ርክብ ምዕቃብ፡ "ንረብሓ" ኣሜሪካ ምዃኑ ገሊጹ። ሰብመዚ ኣመሪካ'ውን "ምስ መን ንራኸብ ከምዘለና ንጹር ግንዛበ ከምዘለዎም" ኣነጺሩ። እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ኣዋርሕ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ጸሓፊ ባይቶ ጸጥታ ኒኮላይ ፓትሩሸቭን ላዕለዋይ ተሓጋጋዚ ፖሊሲ ወጻኢ ክረምሊን ዩሪ ኡሻኮቭን ምስጢራዊ ዝርርብ ከምዘካየደ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ጸብጺቡ እዩ። ንሳቶም፡ ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓደጋ ምውሳኽ ኑክሌራዊ ወጥሪ ዝከላኸሉሉ መንገድታት ኣመልኪቱ ከምዝተዘራረቡን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ግጭት ዘብቅዓሉ መንገድታት ግን ዝኾነ ድርድር ከምዘይገበሩን ላዕለዎት ሰበስልጣን ነቲ ጋዜጣ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሱሊቫን ዝኾነ ይኹን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምጥቃም "ንሩስያ ኣዕናዊ ሳዕቤን" ከምዝህልዎ ገሊጹ ነይሩ። ንሱ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ምስ ሰበስልጣን ሩስያ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ስቱር ዝርርብ፡ ስፍሓት ናይቲ ኣሜሪካ ክትህቦ እትኽእል ምላሽ "ኣነጺሮምዎ" ከምዘለዉ ንማዕከን ዜና ኤን-ቢ-ሲ ሓቢሩ። ወሃቢት ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ኣድሪን ዋትሰን፡ ነቲ ጋዜጣ "ሰባት ብዙሕ ነገራት ይዛረቡ" ክትብል ነቲ ዛንታ ከተረጋግጽ ኣይደለየትን፡፡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ድማ ምዕራባውያን ጋዜጣታት "ብዙሕ ምትላል ይዝርግሑ" ኣለዉ ክብል ከሲሱ። ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር ግን ኣሜሪካ ምስ ሩስያ ናይ ምዝርራብ መሰላ ዝተሓለወ ምዃኑ ትማሊ ሰኑይ ገሊጻ ነይራ። ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ምስ ሩስያ ንምዝታይ ዝደፍኡ ዘለዉ ላዕለዎት ኣማኸርቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምዃኑ ዝንገረሉ ሚስተር ሱሊቫን፡ ምስ ሞስኮ ዝግበር ርክብ "ንረብሓ ነፍሲ ወከፍ በዚ ግጭት ዝተሃስያ ሃገራት" ምዃኑ ይገልጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ዩክረይን ምስ ሩስያ ንምድርዳር ድልዉነታ ክትገልጽን፡ እቲ ኲናት ንክቛረጽ ዘተ ምንጻጎም ክገድፉን ይላበውዎ ከምዘለዉ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ ነይሩ። ሚስተር ሱሊቫን ግን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ መደብ ምምሕዳር ባይደን "ተሓታትነት ናይ ምኽታል ግዴታ" ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምትሕብባር "ኣብ ዩክረይን ከበድትን ዘስካሕክሕን ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር" ቃል ኣትዩ። "ዓርቢ ኣብ ኪየቭ እየ ነይረ። ምስ ፕረዚደንት [ቮሎዲሚር] ዘለንስኪን መዘናይ ኣንድሪ የርማክን ወተሃደራዊ መራሕቲን ክራኸብ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኲናት ፑቲን ዘስዓቦ ደረጃ ሞትን ዕንወትን መብርሂ ክረክብ ዕድል ረኺበ’የ" ክብል ሱሊቫን ተዛሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ሩስያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝጎበጠተን ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ንምክልኻል ብተስፋ ምቑራጽ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ከምእትኽእል ስክፍታታት እናወሰኸ መጺኡ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዩክረይን ወተሃደራዊ ሕግታት ኲናት ተጠቒማ ንብረት ሓሙሽተ ስትራተጂካዊ ኣገደስቲ ኩባንያታት ተቖጻጺራ’ላ። ክልተ ኩባንያታት ጸዓት፡ ከምኡ'ውን ሞተር፡ ተሽከርከርትን ትራንስፎርመርን ዝሰርሑ ትካላትን ሓዊሱ ገለ ካብተን ኩባንያታት፡ ምስቲ ምስ ሩስያ ብምትሕብባር ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ቭያቸስላቭ ቦሁስላየቭ ዝተኣሳሰራ እየን። ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ እዚ ስጉምቲ ምክልኻል ዩክረይን፡ ድሌታት ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን እታ ሃገር ኣብ ጸረ-መጥቃዕቲ ዝተዋፈረ ሰራዊት ንምምላእ ዝሕግዝ’ዩ ኢሉ። ኣይከትትን' ኢሉ ብድፍረት ዝምጕት ዘሎ መንእሰይ ሰበስልጣን ሩስያ፡ ካብ ሞስኮ 500 ማይልስ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ፖድጎሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ስልጠና ተኣኪቦም ነይሮም። እቲ ኣኼባ ነባሪ እታ ከተማ ዝዀነ ሚካኤል ኣሽቾቭ፡ ናብ ዩክረይን ከይዱ ክዋጋእ ይግባእ ድዩ ኣይግባእን? ኣይከትትን' ኢሉ ብድፍረት ዝምጕት ዘሎ መንእሰይ ሰበስልጣን ሩስያ፡ ካብ ሞስኮ 500 ማይልስ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ፖድጎሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ስልጠና ተኣኪቦም ነይሮም። እቲ ኣኼባ ነባሪ እታ ከተማ ዝዀነ ሚካኤል ኣሽቾቭ፡ ናብ ዩክረይን ከይዱ ክዋጋእ ይግባእ ድዩ ኣይግባእን? ንምውሳን እዩ ነይሩ። ሚካኤል ድማ ይምጕት። "ኣነ ‘ኲናትጌጋ እዩ’ ዝብል እምነት ዘለኒ ሰብ ኣይኰንኩን። ሓንቲ ሃገር ዓደይ ክትወርር ወይ ንሩስያ ከተጥቅዕ እንተፈቲና፡ ትኽ ኢለ ናብ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ታዕሊም ከይደ ክምዝገብ እየ። ዝዀነ ጻውዒት’ውን ኣይጽበን እየ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ግን ኣብ ልዕሊ ዓደይ ሓደጋ ኲናት ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን" ክብል ይገልጽ። ድሕሪ እቲ መደረ ሓደ በዓል ስልጣን "ሃገርና ግን ኣብ ሓደጋ ኣላ" ይብል። ሚካኤል፡ ሩስያ ንዩክረይን ዝወረረትላ መዓልቲ ጠቒሱ፡ "ሃገርና ቅድሚ 24 ለካቲት ኣብ ሓደጋ ኣይነበረትን" ክብል ይምልስ። ወዲ 34 ዓመት ሚካኤል በዓል ሞያ መካኒክ እዩ። ሩስያ፡ ሲቪላውን ሰብኣውን መሰላት ዝግሃሰላ ሃገር'ኳ እንተዀነት፡ ሚካኤል ግን ቅዋም ሩስያ ናይ ተቓውሞ መሰል ከም ዝህቦ ይዛረብ። ስለዚ ድማ ነቲ ኣብ ዩክረይን ክኸትት ዝቐረበ ጻውዒት ምቕባል ኣብዩ ኣሎ። “ክበኣስ ኣይደልን እየ፡ ምስ በልኩ ኣዝየ ፈሪሐ፤ ድሒረ ግን ነቲ ብቪድዮ ዝተቐድሐ መደረይ ምስ ረኣኹ ብኣንጻሩ ኣብ ኣዒንቲ እቶም ዝሰምዑኒ ዝነበሩ ሰባት ፍርሒ ርእየ። “ንሰባት ብቐሊሉ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ወይ ከም ድላዮም ክተሕዙ ዝኽእሉ ህይወት ዘይብሎም ነገራት ገይሮም ምርኣይ ስለ ዝለመዱ ዘረባይ ዘሰንበዶም ይመስለኒ። ሃንደበት ዝተዛረብክዎ እዩ" ይብል ሚካኤል ኣብቲ እዋን ዝተሰምዖ ክገልጽ። ብድሕሪኡ ግን ምፍርራሕ ከምዝሰዓቦ ይዛረብ። " ‘ንፖሊስ ክንጥቁመካ ኢና፡ ክምርምሩኻ እዮም' ኢሎምኒ" ይብል። "ከምዚ ክብሉኒ ከለዉ፡ ነገራት ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ከይከውን ከም ዝፈርሑ ተረዲኡኒ። ምኽንያቱ እዚ ዘይለመድዎ ነገር ስለዝዀነ። ንኵሉ ነገር ምቁጽጻር ዝለመዱ እዮም" ይብል ሚካኤል። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ "ከፊላዊ ክተት" ካብ ዝእውጅ ንደሓር ልዕሊ 220 ሽሕ ኣባላት ዕቑር ሓይልታት ሩስያ ተጸዊዖም። እቲ መራሒ፡ እቲ ወፍሪ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝዛዘም ኣመልኪቱ፡ ናይ መወዳእታ ግዜ ግን ኣየቐመጠን። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዞባ ርያዛን ኣብ ዝርከብ መሰልጠኒ ቦታ ምስ ዝተመልመሉ ወተሃደራት ኣኼባ ከካይድ እንከሎ፡ ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ተራእዩ። እዚ ድማ ኣብ ጎስጓሶም ህዝባዊ ደገፍ ንምርካብ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ይንገር። ይዅን እምበር ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ጸረ-ሴማውነት ኣብ ሕብረተሰብ ስክፍታ ፈጢሩ ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ። ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ቭላድሚር ፑቲን ተወሳኺ ምልዕዓል ከምዘይህሉን ኣብቲ ኲናት፡ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ጥራይ ከምዝሳተፉን ቃል ኣትዩ ነይሩ። እዚ ኵሉ ግን "ኣዋጅ ከፊላዊ ክተት" ኣማኢት ኣሽሓት ዕቑር ሓይልታት ምስ ጸውዑ ተቐይሩ። ሃንደበት ግን ሰብኡት፡ ኣቦታትን ኣወዳትን ተጠርኒፎም ናብ ግንባር ተጓዒዞም። ኣብ ገለ ገለ እዋናት ብዘይ እኹል መሳርሕን ስልጠናን ናብቲ ኲናት ዝተጸንበሩ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ብናዕቢ ናብቲ ኲናት ዝተጸንበሩ ሩስያውያን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ብዛዕባ ሕማቕ ኵነታትን ሕጽረት ናውትን ቅሬታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ሚካኤል ከምዝብሎ፡ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኲናት ይጭነቑ ኣለዉ። ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ እዚ ሕጂ ማዕጾ ኵሉ ሰብ ስለዝኹሕኩሕ እዩ ይብል። ሚካኤል፡ ‘ኣይከትትን እየ’ ድሕሪ ምባሉ፡ መዛረቢ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሩስያ ኰይኑ። እንተዀነ ገለ ዘይግቡእ ርእይቶታት ይወሃብዎ ኣለዉ። ካብኣቶም፡ "ከምዚ ዝብል ወዲ ከም ሰብኣይ ኣይቈጽሮን" ዝብሉ ይርከቡ። ብኣንጻሩ ብዙሓት፡ ብጅግንነቱን ቅንዕናኡን "ንቕትለት ምቅዋም ሰብኣዊ እዩ" ብምባልን፡ ካልእ ርእይቶታትን ይንእድዎ። ሚካኤል ዝዀነ ሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒሙ ንመርገጺኡ ክከላኸል ቈሪጹ ተላዒሉ ኣሎ። እዚ እንተፈሺሉኸ? ዝተሓተተ ሚካኤል፡ "ምስ ስድራይ ተዘራሪብና ዋላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተደርበዩኒ ኣይስለፍን እየ" ኢሉ። “ዝግደድ እንተዀይነ ግን ቤት ማእሰርቲ ክመርጽ እየ። ዝፈርሖ ነገር የብለይን” ኢሉ። "ኣብ ዩክረይን ሰባት ኣብ ፍርስራስ ይሞቱ ከምዘለዉ፡ ወለዲ ድማ ደቆም ይቐብሩ ከምዘለዉን ንፈልጥ ኢና። ነዚ ኲናት ከይደ እንተዘይተዋጋእኩ፡ መንግስቲ ከም ገበነኛ ክርእየኒ ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ብመንጽር ሰብኣውነትን ናተይ ኣረኣእያን ገበነኛ ኣይኮንኩን" ክብል መልሲ ሂቡ። ደቅና ተመሊሶምልና' ኣደታት ዩክረይን ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰራዊት ሩስያ ኣትዩ ዝነበረ ግዝኣት ዩክረይን ምስተቘጻጸሩ፡ ህይወት ጸልሚትወን ዝነበራ ኣደታት ዩክረይን ብምምላስ ደቀን ኣመና ተሓጕሰን። ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ሩስያ ኣብ ዝጸንሐ ከባቢታት ትደፍእ ምህላዋ ገሊጻ ሰራዊት ዩክረይን ኣብቲ ሩስያ ተቆጻጺራቶ ዘላ ዞባ ኼርሰን ንቀዳማይ ድፋዕ ብምስባር ቦታታት ይሕዝ ከምዘሎ ገሊጹ። ዩክረይን፡ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር፡ መልሰ መጥቃዕቲ ንምክያድ ንነዊሕ ምድላዋት ክትገብር ድሕሪ ምጽናሕ ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ነቲ ቦታታት ከተማልስ ምኽኣላ ገሊጻ። ነቲ ቦታ ንምቁጽጻር ዝተወሰደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ መስመር ሎጂስቲክ ወተሃደራት ሩስያ ንምብታክ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ሳምንታት ድሕሪ ዝወሰደ ውግእ ዩክረይ ክትቆጻጸሮ ከምዝኽኣለት እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ። ሩስያ ብወገና፡ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ዝገበርዎ ዘይዕዉት ናይ ምጥቃዕ ፈተነ “ሰፍ ዘይብል ክሳራ ኣጋጢምዎም” ኢላ። እንተኾነ ሩስያን ዩክረይን ዝብልኦ ዘለዋ፡ ብነጻ ሳልሳይ ኣካል ኣይተረጋገጸን ኣሎ። ኼርሰን፡ ስም ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዩክረይን ዝርከብ ዞባን ርእሰ ከተማን ኮይና፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ኣብ ዝጀመረትሉ ካብ ክረምያ ዝተበገሰ ሰራዊት ሩስያ ቀዲሙ ካብ ዝሓዘን ቦታታት እያ። ሰኑይ ንግሆ ካኾቭካ ዝተሰመየ ኣብ ደቡብ ዩክረይን ዝነጥፍ ኣሃዱ ስርሒታት ዩክረይን፡ ኣብ ዞባ ኼርሰን ዝነበረ ብሩስያ ዝድገፍ ኣሃዱን ናይ ሩሰያ ኮማንዶታትን ካብቲ ቦታ ተደፊኦም ከምዝወጽኡ ገሊጹ። ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝኾነ ኦሎክሲ ኣረስትቭች ብወገኑ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዝተፈለላየ ቦታታት ንድፍዓት ሩስያ ይሰብሮ ምህላዉ ገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ኣብ ከተማታት ኼርሰንን ኖቫ ካኾቭካን ብርቱዕ ድምጽታት ከቢድ ብረት ከምዝሰምዑ ገሊጾም። ሰራዊት ዩክረይን ንኽልቲኤን ከተማታት ዘራኽብ ኣብ ፈለግ ድኒፕሮ ዝርከብ መራኸቢ መስመር ንምቁጽጻር ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታ ክፍጽም ከምዝጸንሐ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም። ብመንግስቲ ሩስያ እትውነን መደበር ዜና ርያ ኖቮስቲ ብወገና፡ ከተማ ኖቫ ካኾቭካ ትማሊ ለይቲ ብዘይ ቀረብ ማይን ኤለትሪክን ከምዝሓደረት ኣቃሊሓ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ ትማሊ ኣማስያኡ ናብ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ብህይወት ክነብሩ ዝደልዩ እንተኾይኖም ነዛ ሃገር ገዲፎም ናብ ዓዶም ዝኸድሉ ግዜ ሕጂ’ዩ” ኢሉ። ፕረዚደንት ዘለንስክን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገርን፡ ብዛዕባ እዚ ዩክረይን ትወስዶ ኣላ ዝተብሃለ መልሰ መጥቃዕቲ ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም’ዮም ዘለዉ። ሚኒሰትሪ ምክልኻል ሩስያ ብወገኑ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ዞባታት ኼርሰንን መዳውብታ ዝኾነት ሚኾላይቭን ፍሹል ፈተነ መልሰ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ገሊጹ። ብመንግስቲ ዝውነና ማዕከናት ዜና፡ ነቲ ሚኒሰትሪ ብምጥቃስ፡ እቲ ብዩክረይን ዝተፈተነ መልሰ መጥቃዕቲ ከምዝፈሸለን ሰራዊት ዩክረይን “ሰፍ ዘይብል ክሳራ” ከምዘጋጠሞን ገሊጸን። ሰብ መዚ ዩክረይን ነቲ ብልዕሊ ፈለግ ድኒፕሮ ዝሓለፍ ድልድል ኣብ ሰለስተ ቦታታት ንምዕናው ኣመሪካ ዝሃበቶም ሂምራስ ዝብሃል ሮኬት ከምዝተጠቀሙ’ዮም ገሊጾም። ዩክረይን ንቀረብ ሎጂስቲክ ወተሃገራት ሩስያ ንምብታክ ነቲ ድልድላት ከምዘዕነወቶ’ውን ይገልጹ። ኩናት ሩስያን ዩክረይንን ቅድሚ ምጅማሩ፡ 290 ሽሕ ህዝቢ ዝነበረ ከተማ ኼርሰን፡ እታ እንኮ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ወተሃደራት ሩስያ ዝኣተወት ርእሰ ከተማ ናይ ዞባ’ያ። እታ ከተማ ብሩስያ ድሕሪ ምትሓዛ፡ በቶም ብሩስያ ዝድገፉ ሰብ መዚ እያ ክትመሓደር ጸኒሓ። እቶም ብሩስያ እናተደገፉ ነታ ከተማ ከመሓድርዋ ዝጸንሑ ሰብ መዚ፡ ምስ ሩስያ ንኽጽንብርዋ ረፈረንደም ንኽካየድ መስርሓት ጀሚሮም ምጽንሖም’ዩ ዝግለጽ። ሩስያ ምስ ሰሜን ኮርያ ዘለዋ ዝምድና ከምእተስፍሕ ቃል ኣትያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሃገሩ ምስ ሰሜን ኮርያ "ኵለመዳያውን ሃናጽን ክልተኣዊ ዝምድናታት ከተስፍሕ" ምዃና ኣፍሊጡ። ንሱ ኣብ መዓልቲ ሓርነት ሰሜን ኮርያ ናብ መዘናኡ ኪም ዮንግ ኡን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ እቲ ስጕምቲ ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ከምዝኸውን ጠቒሱ። ኪም ብወገኑ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዓወት ብምምዝጋብ ዝተሰረተ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ወሲኹ፡ "ብጻያዊ ምሕዝነቶም" እናጸንዐ ከምዝኸይድ ሓቢሩ። ፑቲን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ እቲ ሰፊሕ ክልተኣዊ ዝምድናታት "ምስ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዝሰማማዕ እዩ" ምባሉ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ - ኬሲኤንኤ ኣቃሊሑ። ኪም ብወገኑ እቲ "ኣንፃር ጃፓን ኣብ ዘቕንዐ ኲናት" ዝተሰረተ ምሕዝነት ሩስያን ሰሜን ኮርያን፡ "ካብ ዘመን ናብ ዘመን እናደልደለን እናማዕበለን" ከምዝመጽአ ኣብ ደብዳበኡ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ "ስትራተጂያውን ስልታውን ምትሕብባር፡ ደገፍን ስምረትን ካብ ተጻባእቲ ሓይልታት ንዝብገስ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስግኣታትን ትንኮያታትን ንምፍሻል ኣብ ሓድሽ ዝበረኸ መድረኽ ተቐሚጡ ዝጸንሐ እዩ፡" ኢሉ። ሰሜን ኮርያ ነቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝበለቶም ብስሞም'ኳ እንተዘየነፀረት፡ እዚ ኣበሃህላ ግን ንኣሜሪካን መሓዙታን ንምምልካት ብተደጋጋሚ ክትጥቀመሉ ምፅንሓ ይፍለጥ። ሕብረት ሶቭየት ኣብ ሓደ እዋን ቀንዲ መሓዛ ሰሜን ኮርያ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ፡ ቍጠባዊ ምትሕብባር፡ ባህላዊ ምልውዋጥን ሓገዝን ትገብረላ ነይራ። ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት፡ ካብ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም ንደሓር ክልሕልሕ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ብፍላይ ሩስያ ካብ ፈለማ 2000 ጀሚራ ምስ ምዕራባውያን ዝምድናታት ምስ ጀመረት መሊሱ ቅሂሙ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ንዝርከባ ክልተ ተገንጸልቲ ግዝኣታት ናጽነተን ከምእትድግፍ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ብወግዒ ኣፍልጦ ካብ ዝሃባ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ፡ ሰሜን ኮርያ እያ። ሕነ ንምፍዳይ ድማ እታ ኣንጻር ወራር ሩስያ ትቃለስ ዘላ ዩክረይን ምስ ሰሜን ኮርያ ዝነበራ ኵሉ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣቋሪጻ። ሩስያ ብሸነኽ ቤላሩስ ንዩክረይን ከይተጥቅዕ ስግኣት ፈጢሩ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኣብ ቤላሩስ ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ሰራዊቱ ብወገን ቤላሩስ ኣንጻር ዩክረይን ሓድሽ መጥቃዕቲ ክኸፍቱ ከም ዝኽእሉ ዝጸንሐ ስግኣት ይዛይድ ኣሎ። ዩክረይን፡ ነቲ ብወገን ቤላሩስ ክኽፈተላ ዝኽእል መጥቃዕቲ ንምዕጋት ምእንቲ ክትክእል ድማ፡ ምስታ ሃገር ኣብ ዘዳውብ ቦታታት ሓለዋኣ ተሓይል ከም ዘላ ተገሊጹ። ምክትል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሩስያ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ዩክረይን ንዶባት ቤላሩስ ብሰራዊትን ኣጽዋር ሓጺራቶ ኣላ። እዚ ስግኣት ዩክረይን ዝያዳ ዝዓርግ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ንምዝርራብ ናብ ሚኒስክ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዩ። ቤላሩስ ምስ ሩስያን ዩክረይንን እትዳወብ ክትከውን እንከላ፡ ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ቀንዲ ፈታውን መሻርኽትን ፕረዚደንት ፑቲን እዩ። ፑቲን፡ ሓለዋ ዶባት እታ ሃገር ክሕይልን፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እውን ጥቡቕ ማሕበራዊ ክትትል ክግበር ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ሓይልታት ጸጥታ ሩስያ፡ ዝዀነ ይዅን ዶብ ሩስያ ጥሒሱ ክኣቱ ንዝፍትን፣ ካብ ግዳም ንዝመጽእ ሓደጋጋት ከምኡ’ውን ተግባራት ክድዓትን ጥፍኣትን ንምፍሻል ፍጡን ግብረመልሲ ንምሃብ ወትሩ ድሉዋት ክዀኑ ከም ዝግባእ ኣጠንቂቝ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ፍሉይ ሓይልታት ሩስያ’ውን ኣብተን ነተን ከም ግዝኣት ሩስያ ተወሲደን ዘለዋ ዞባታት ዩክረይን ዝነብሩ ሰባት ድሕነትን ውሕስነትን ከረጋግጹ ይግባእ ኢሉ። ኣብ ሓደሓደ ከባቢታት ብፍላይ ኣብ ኬርሶን፡ ሩስያ ርኡይ ዝዀነ ወተሃደራዊ ስዕረት ከም ዝተሰከመት እዩ ዝንገር። ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ እቲ ኣብ ቤላሩስ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ሩስያ፡ ምስ ሰራዊት'ታ ሃገር ሓቢሩ ልምምድ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ’ሎ። ብዛዕባ’ቲ ዑደት ፑቲን ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ ያኒን፡ “መከላኸሊ መስመራት ሩስያን ቤላሩስያን ነሐይል ኣለና፡” ክብል ኣረጋጊጹ። ቤላሩስ፡ ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ’ኳ እንተዘይተሳተፈት፡ ወተሃደራት ሩስያ መሬታ ተጠቒሞም ንዩክረይን ከጥቅዑ ኣፍቂዳ እያ። ቤላሩስ፡ “ኣብዚ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት” ደገፋ ከተሐይል ካብ ሩስያ ጸቕጢ ይግበረላ ከም ዘሎ እዩ ዝግለጽ። ኣፈኛ መንግስቲ ሩስያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “እዚ መግለጺታት ዘይረብሕ መሰረት ዘይብሉ ዝተፈብረኸ ወረ” ክብል ገሊጽዎ። ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ንቤላሩስ ዝበጽሕ ዘሎ ፑቲን፡ "ሩስያ ንዝዀነ ወገን ጸቕጢ ክትገብር ኣይትደልን እያ፡” ድሕሪ ምባል “ጸላእቲ” ግን ነቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ዝምድና ንምብላሻው ወትሩ እዮም ዝሰርሑ፡ ክብል ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ዘለዎ ስግኣት ብምእማት፡ ዶባት እታ ሃገር ብጽኑዕ ምሕላው ቀጻሊ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ብሰንበት ኣተሓሳሲቡ። ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ክሳብ ሕጂ ወተሃደራቱ ኣብ ዩክረይን ክዋግኡ ኣይፈቐደን ዘሎ። ኣዒንቲ ዓለም ድማ ብንቕሓት እየን ነዚ ዝከታተላኦ ዘለዋ። ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይዝ ንመግለጺ ፑቲን፡ "ጫፍ ሕጫጨ" ክብል ብምግላጽ፡ ፑቲን ንዩክረይን ንምጕባጥ ዘለዎ ድሌት ገሊጹ። ፑቲንን ዢን፡ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዘይሚዛናዊ ምሕዝነት ንሩስያ ክትርድኡዋ ትደልዩ’ዶ? ቀስ እናበለ፡ ናብዝን ናብትን ሰለል ብዛዕባ ዝብል ዘንጊ ሕሰቡ። እዚ ንዘመናት ከጋጥም ጸኒሑ’ዩ። ናብ ሓደ ሸነኽ ክጥወ እንከሎ፡ ሩስያ ገጻ ንኣንፈት ኤውሮጳ ናብ ምዕራብ ትዘውር። በዚ ክኣ እታ ሃገር፡ ንርእሳ ዘይክኣሓድ ኣካል ስልጣነ ኤውሮጳ ገይራ ትርኢ። ኣብ ካልእ እዋን ክኣ፡ እታ ዘንጊ ናብቲ ካልእ ሸነኽ ሰለል ክትብል እንከላ፡ ሩስያ ናብ ምብራቕ ትዘውር። መራሕታ፡ ስልጣነ ምዕራባውያን፣ ክብርታት ምዕራባውያን ገም ኣቢሎም ዓጺዮም፡ ናይ መጻኢ ዕጫ እታ ሃገር ኣብ ኤዥያ ከም ዝዀነ ይእውጁ። ሓደ ሰብ’ዶ ኣዘኪሩኩም? ኣብ ትሕቲ ቭላድሚር ፑቲን፡ እታ ዘንጊ ናብ ምብራቕ ገጽ እያ ተጠውያ። ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ብምፍጻሙ ሃገራት ምዕራብ ኣግሊለንኦ’የን። ሃገሩ ድማ፡ ግዳይ ማእለያ ብዘይብሎም እገዳታት ሃገራት ምዕራብ ኮይና። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ፑቲን “ቀታሊ ውልቀ መላኺ” እዩ ክብሎ እንከሎ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ብሪጣኒያ ሊዛ ትሩስ ቅድም ኢሉ “ተስፋ ዝቘረጸ መታለሊ ኦፕሬተር” ኢላቶ ነይራ። ፕረዚደንት ቻይና ግን፡ ካብዚ ኣዝዩ ዝተፈለየ ቋንቋ እዩ ዝጥቀም። “ናተይ ፍትው ናይ ቀደም መሓዛይ” ይብሎ። ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግን ቭላድሚር ፑቲንን፡ ኣብ ኡዝበኪስታን ይካየድ ኣብ ዘሎ ዞባዊ ጉባኤ ተራኺቦም ነይሮም። ፑቲን “ኣብ ሞንጐ ቻይናን ሩስያን ዘሎ ምሕዝነት” ከምኡ’ውን “ስትራቴጂካዊ ኩለመዳያዊ ዝምድናን” ንኢዱ። ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብዛዕባ ዓለም ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ’ዩ ዘለዎም። ክልቲኦም፡ ኣማራጺ ስርዓተ ዓለም ክህሉ ኣለዎ ይብሉ፤ እዚ ማለት፡ ሃገራቶም ንምዕራባዊ ዓለም ብቐንዱ ንጽልዋ ኣሜሪካ ዝምክታሉ “ብዙሐ-ዋልታዊ ዓለም (multi-polar world)” ንዝብል ሓሳብ የሰጉሙ። ስለዚ፡ እዚ ጉዳይ “ንሓዋሩ ብሉጽ ምሕዝነት” ፑቲንን ዢን ድዩ? ኣይኰነን፤ ፈለማ፡ ኣብ ፖለቲካ ዓለም 'ናይ ሓዋሩ ምሕዝነት' ሳሕቲ እዩ ዝርአ። ካልኣይ እዚ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዘይምዕሩይ ምሕዝነት እዩ። ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸሞ ወራር ከምቲ ዝሓሰበሉ ኣይሰጐመን፤ ንሩስያ’ዩ ኣዳኺሙዋ። ክሬምሊን፡ ሰራዊት ሩስያ “ዓብዪ ክሳራታት” ከም ዘጋጠሞ ትኣምን'ያ። እገዳ ሃገራት ምዕራብ'ውን ንቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ጸቕጢ ኣእቲዩዎ’ዩ። ርክብ ቻይናን ሩስያን ክርአ እንከሎ፡ ዝያዳ ሩስያ ንኡሽቶ መሓዛ ዝዀነት ትመስል። ኣብቲ ርክቦም፡ ፑቲን ቻይና ብዛዕባ ኩነታት ዩክረይን “ሕቶታትን ስግኣታትን” ኣለዋ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። እዚ፡ “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ሩስያ” ኣብ ልዕሊ ቤጂንግ ገለ ጸቕጢ ይፈጥር ምህላው ካብ ክሬምሊን ፍጹም ትጽቢት ዘይተገብረሉ ቃል እምነት እዩ። ካልእ፡ ሩስያ ምስ ሃገራት ምዕራብ ኲናት ጽዓት ገጢሙዋ’ዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ፑቲን ንምብራቕ ገጹ የመዓዱ ኣሎ፡ እታ ዝተረፈቶ ንእሽቶ ኣማራጺ'ውን ንሳ’ያ። በቲ ሸነኽ ቁጠባ እታ ሃገር ክቕይርን ንፍርያት ነዳድን ጋዝን ሩስያ፡ ሓደሽቲ ዕዳጋታት ንምርካብን ተስፋ ይገብር። ግን፡ ኣዝዩ በዳሂ’ዩ። “እቲ ተስፋ፡ ክዕወትን ንሩስያ ዘተኣማምን ብጽሒት ክህልዎን’ዩ ዝብል’ዩ። ግን ዝኸውን ኣይመስለንን። ሩስያ ብቐንዱ ምዕራብ እዩ ዘድልያ - ቴክኖሎጅን ዕዳጋን ምዕራብ ትደሊ’ያ” ይብል ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ መጽናዕታት ጆንስ ሆፕኪንስ ሰርገይ ራድቼንኮ። ወሲኹ “ሩስያ፡ ነዳድን ጋዝን ንምፍራይ ቴክኖሎጂ ምዕራብ ትደሊ’ያ፤ እዚ ብዘይ ሓገዝ ሃገራት ምዕራብ ክትሰርሖ ትኽእል’ዶ ዝብል ዓብዪ ምልክት ሕቶ ኣሎ። ኣንፈት ዋሕዚ ነዳዲ ክትቕይሮ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። "ሕብረት ሶቭየትን ሩስያን ናብ ኤውሮጳ ነዳዲ ዘመሓላልፉ መስመራት ኣብ ምህናጽ ዓሰርታት ዓመታት ወሲደን እየን። ኣብኡ ክኣ’ዩ እቲ ትሕተ ቕርጺ ዘሎ፤ ስለዚ ዕዳጋ ሩስያ ናብ ኤዥያ ምቕያር ኣዝዩ ከቢድ’ዩ” ክብል የረድእ። ፑቲንን ዢን ዝሳተፍሉ ዘለው ኣኼባ ትካል ምትሕብባር ሻንጋይ [ኤስሲኦ] እዩ። ንክልቲአን ሃገራት ሓዊሱ፡ ሃገራት ማእከላይ ኤዥያ ማለት ካዛኪስታን፣ ኡዝበኪስታን፣ ኪርጊስታንን ታጃኪስታንን ከምኡ’ውን ህንድን ፓኪስታንን ይሳተፋ ኣለዋ። እዚ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ዋላ’ውን ሃገሩ ዓለምለኻዊ እገዳታት እንተበርትዑዋ፣ ምዕራብ ንሩስያ ክንጽል እንተፈተነ ሞስኮ ሕጂ’ውን ጠንካራ መሓዙት ኣለውኣ ዝብል ንምርኣይ ይሕግዞ እዩ። “ሩስያ፡ እቲ ብሃገራት ምዕራብ ዘጋጥም ዘሎ ተነጽሎ ኣብ ምዕራብ ጥራይ’ዩ፤ ዓለም ብዙሕ-ዋልታ ኣለዋ ዝብል ከተርኢ ትደሊ። እቲ ዝገርም ነገር ግን፡ ኣብ ኤስሲኦን ማእከላይ ኤዥያን ዘሎ ሓይሊ ሚዛን ይቕየርን ካብ ሩስያ ይርሕቕን ምህላው’ዩ” ይብል ፕሮፌሰር ሰርገይ። ኣብ ሞንጐ፡ ንፈለማ እዋን ሃገራት ማእከላይ ኤዥያ ናይ ባዕለን ፖሊሲ ይሕዛ ኣለዋ’የን ዝብል እቲ ሙሁር፡ ንኣብነት ካዛኪስታን የልዕል። “ካዛኪስታን፡ ሩስያ ንዩክሬይን ካብ እትወርር ንድሓር ከምቲ ፑቲን ዝተጸበዮ ኣይሓገዘቶን። ኣብቲ ናይ ሓይሊ ሚዛን ኣዝዮም ዘደንቑ ምልውዋጣት ኣለው”። ሩስያ፡ ገጻ ናብ ምብራቕ ተዝር እንተላ’ውን ሓደ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ቁልፊ ነገር ኣሎ። እዛ ሃገር- ኣብ ዓለም ዝዓበየት- ኣብ ሞንጐ ክልቲኡ ኣህጉር ማለት ኤውሮጳን ኤዥያን ዘላ ምዃና’ዩ። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ እታ ዘንጊ ንየማነ ጸጋም ሰንፈለል ምባል፡ ሩስያ ክልቲኡ ሸነኽ ክትርኢ ዝሓሸ ይኸውን። ‘ሩስያ ኣብ ማእከል ኒዩክለር ዛፖሪዚዝያ ምጽራይ ክካየድ ክትፈቅድ እያ’ - ፑቲን መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዛፖሪዝያ ኒዩክለር ኮምፕሌክስ ክበፅሑን ከጻርዩን ፍቓድ ከምዝወሃቦም ገሊጹ። መንግስቲ ክረምሊን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ መንጎ ሚስተር ፑቲንን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ድሕሪ ዝተገብረ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መልሐሚ ኑክሌር፡ ውግእ ተኻይዱ ዝብል ክሲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ፡ ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ብሰንኩ ከምዝቖሰሉ ተገሊጹ። ብኻልእ ገጽ ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ዩክሬን ንምሕጋዝ ዝያዳ ኣጽዋርን ተተኮስትን ክትሰድድ ዓርቢ ቃል ኣትያ ኣላ። ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፈረንሳን ሩስያን ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ ሚስተር ፑቲን ንመርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ኒኩለራዊ ቦታ ዛፖሪዝዝያ ንምእታው "ኣድላዪ ሓገዝ" ክገብረሎም ከምዝተሰማምዑ ክረምሊን ገሊጹ። እቲ ማእከል፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሩስያ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ቴክኒሻናት ዩክሬን ግን ክሳብ ሕጂ ብትእዛዝ ሩስያ ይመርሕዎ ኣለዉ። ክልቲኦም መራሕቲ፡ "ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት" ንምግምጋም ክኢላታት IAEA ናብቲ ማእከል ምልኣኽ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ገሊጾም ዋና ዳይሬክተር ኒኩለር፡ ውድብ ሕቡራትሃገራት፡ ዓለም ለኸ ትካል ኣቶሚክ ፀዓት (IAEA)፡ ንመግለፂ ሚስተር ፑቲን፡ ብሓጎስ ብምቕባል ፡ ናብቲ ማእከል ዑደት ዝገብር ጉጀለ ባዕሉ ክመርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ራፋኤል ግሮሲ፡ "ኣብዚ ኣዝዩ ተለዋዋጢን መሰከፍን ኩነታት፡ ድሕነት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መመንጨዊ ሓይሊ ኒዩክለር ዓለምና ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ሓድሽ ስጉምቲ ከይውሰድ" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ። ፕረዚደንት ዩክሬን፡ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ኣብ ለይቲ ዘስመዖ መደረ፡ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ብሓጎስ ተቐቢሉ’ኳ እንተሎ፡ ዝርዝራት ጉዳያት ግን ገና ይስራሐሉ ከምዘሎ ገሊጹ። “ሩስያ ኣብቲ ዙርያ ማእከል'ቲ መመነጨዊ እትገብሮ ዘላ ምትንዃይ እንተቐጺላ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ክረምቲ፡ ኣብ ታሪኽ ንዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኩሉ ግዜ ዘሕዝኑ ነገራት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ሳዕቤኑ ገሊጹ። ኪቭ፡ ሩስያ ነቲ ማእከል ናብ መዓስክር ሰራዊት ከም ዝቐየረቶ ትዛረብ ኮይና፡ ወተሃደራዊ መሳርሒታት፡ ኣጽዋርን ኣስታት 500 ወተሃደራትን ብምውፋር ነቲ ቦታ ከም ዋልታ ተጠቒሞም ኣብ ስግር ሩባ ድኒፐር ንዝርከባ ከተማታት መጥቃዕቲ ይገብሩ ኣለዉ-ትብል። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ድማ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ማእከል ዝርከብ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ተኹሲ መዳፍዕ ኣትዩ፡ ኪየቭን ሞስኮን በቲ መጥቃዕቲ ነንሕድሕደን ይወቓቕሳ ኣለዋ። ሰበ ስልጣን ዩክሬን፡ ሓይልታት ሞስኮ ኣብ ስግር እቲ ሩባ ካብቲ ማእከል፡ ኣብ እትርከብ ከተማ ማርሃኔትስ ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ከምዘቑሰሉ ብምኽሳስ፡ ኣብ'ቲ ከባቢ ድማ ቶኽሲ ከምዝቐጸለ ገሊጾም። ኣብ'ቲ ከባቢ ሓሙሽተ ኣባይቲ እውን ከምዝዓነዩ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ቫለንቲን ረዝኒቸንኮ ብቴሌግራም ሓቢሩ። ሰበ ስልጣን ሩስያ፡ ነቶም ዝመጽኡ ሰብ ሞያ ጉጅለ ተቖጻጸርቲ ንምርካብ ገለ ድልውነት እኳ እንተ ኣርኣዩ፡ ካብቲ ቦታ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምውጋድ ዝቐረበ ኣህጉራዊ ጠለባት ብግልጺ ነጺጎሞ ኣለዉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩስያ ዩክሬን ኣብ መመንጨዊ ሓይሊ ኒዩክለር ዛፖሪዥዥያ ትፍጽሞ ኣላ ዝበለቶ 'ውዲት' ፡ ብዝርዝር ዝገልጽ ደብዳበ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ። ልኡኽ ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዩክሬናውያን "ኣብቲ ማእከል ንእሽቶ ሓደጋ" ከስዕቡ ከምዝደልዩን፡ እዚ ድማ ሐደገኛ ጨረር ክወጽእ ምግባር ከምዝኾነን፡ ሩስያ ብ"ኒዩክለራዊ ግብረሽበራ" ገበነኛ ንምግባር ዝዓለም ከምዝዀነን ከሲሱ። እቲ ደብዳበ፡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብቲ ቦታ ኣጽዋር ይዕቅቡ ኣለዉ ዝብል ክሲ'ውን ነጺጉ። ዩክሬናውያን ነቲ ማእከል መልሐሚ ኑክሌር ብከቢድ ብረት ክሃርምዎ ጸኒሖም ዝብል ክሲ ድማ ደጊሙ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ዋሽንግተን፡ ንዩክሬን ዝውዕል፡ ሓድሽ ናይ 775 ሚልዮን ዶላር ፓኬጅ ናውቲ ኣጽዋር ኣቕሪባ ኣላ። እቲ ምወላ፡ ንነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፋ ሮኬት፡ ንመዳፍዕ ዝኸውን ተተኮስቲ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምክትታልን ጸረ-ታንክ ሚሳይላትን ዘካትት እዩ። ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ዝጠቐሶ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ፓኬጅ ንመጀመርታ ግዜ ነተጉቲ ጸረ-ነተጉቲ ተሽከርከርቲ እውን ክሕዝ እዩ። ዩክሬን፡ ኣንጻር ወራር ሩስያ እትገብሮ ውግእ፡ ካብ ምዕራባውያን መሻርኽታ ኣብ ዝቐርበላ ቀረብ ኣጽዋር ዝተመርኮሰ እዩ። ኣዋጅ ክተት መንግስቲ ሩስያ ብምቅዋም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተኣሲሮም ኣብ ሩስያ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ክተት ስዒቡ ነቲ ኣዋጅ ዝተቓወሙ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝተኣሰሩ ዘይሻራዊ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ። ትማሊ ቀዳም ጥራይ ኣብ 32 ከተማታት 724 ሰባት ከምዝተኣሰሩ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት። ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣንጻር ዩክረይን ዝዋግኡ 300 ሽሕ ሰባት ክኸቱ ምዃኖም ብወግዒ ምስኣፍልጠ ሰፊሕ ተቓውሞታት ክካየዱ ጀሚሮም። ሰለማውያን ሰባት ናብ ወተሃደራዊ ወፍርታት ክኸቱ ኣለዎም ዝብል ውጥን ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ከተማታት ሰፊሕ ናዕብታት ዘበገሰ ኮይኑ ኣብ መፈለምታ መዓልትታት እዚ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም። ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ካብ ሞስኮ ሓንቲ ተሳታፊት እቲ ተቓውሞ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ምስኣተወት “መዝሓሊ ጥይት ኣይኮንናን” እንዳበለት ትጭርሕ ከምዝነበረት ጠቒሱ። ካልእ ነባሪ ከተማ ፒተርስበርግ ዝኾነ ሩስያዊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል “መእንተ ፑቲን ኢለ ናብ ኵናት ክኸይድ ኣይደልን” ኢሉ። ጓል 70 ዓመት ናታሊያ ዱቦቫ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ነቲ ኵናት ከምዝተቓወመቶን መናእሰይ ናብ ዓውደ ውግእ ክኸቱ መምርሒ ምውራዱ ከምዘፍርሓን ተዛሪባ። ካብቶም ትማሊ ቀዳም ብፖሊስ ዝተኣሰሩ ሰባት ብቕይዶም ኣብ ማእኸል መመልመሊ ውትህድርና ከይዶም ሪፖርት ክገብሩ ከምዝተነገሮም ሓቢሮም። ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ነቲ ውጥን መንግስቲ ዝቓወሙ ዘለዉ ሰባት ከቢድ መቕጻዕቲ ዘስዕብ መምርሒ ኣጽዲቓ’ያ። ፕረዚደንት ፑቲን ካብ ዓውደ ግንባር ክሃድም ዝፈተነ ወይ’ውን ‘እምብለይ ኣይዋጋእን’ ዝበለ ወተሃደር ክሳብ 10 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ዘወስን ኣዋጅ ትማሊ ቀዳም ፈሪሙ’ሎ። እቲ ፕረዚደንት ካብዚ ብተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ኣብ ውትህድርና ሩስያ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ከገልግል እንተድኣፈሪሙ ዜግነት ሩስያ ክወሃቦ ኣዚዙ። እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ሩስያ ክሳብ ክንደየናይ ዋሕዲ ወተሃደራት የጋጥማ ከምዘሎ ዘመላኽት’ዩ ዝበሉ ገለ ተዓዘብቲ ሓደ ሰብ ወተሃደር ሩስያ ንክኸውን እንተውሓደ ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ዓመት ዝተቐመጠ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ረቛሒ ምጥሓሱ ከም መርኣያ ጠቒሶም። ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሩስያ ድማ ብዙሓት መናእሰይ እታ ሃገር ነቲ ናይ ክተት ኣዋጅ ራሕሪሖም ካብ ሃገሮም ይስደዱ ከምዘለዉ ይግለጽ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ሩስያ ሰባት ካብ ውሽጢ ሃገር ናብ ወጻኢ ከይጉዓዙ ኣጠንቂቑ’ሎ። ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ቁጽሪ ካብ ሩስያ ክወጽኡ ዝደልዩ ሰብ መካይን ከምዝወሰኸ ኣሚኖም። ኣብ ሓደ ናይ ፍተሻ ናቑጣ ጥራይ ኣስታት 2500 መካይን ሪጋ ምሓዘን ድማ ከም መረዳእታ ኣቕሪቦም። ሩስያ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር መድቨደቭ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ መዝነቱ ወሪዱ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ክግበር እማመ ድሕሪ ምቕራቡ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ወሪዱ። እዚ ማለት እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ካቢነ እታ ሃገር ብምሉኡ፡ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት፡ ንሓላፊ ኣገልግሎት ግብሪ ዝነበረ ሚካኤል ሚሹስቲን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን መዚዝዎ'ሎ። ፑቲን፡ ነቲ ካብ መዝነቱ ወሪዱ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ዲሚትሪ መድቨደቭ ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ ባዕሉ ዝመርሖ ቤት-ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ክኸውን መዚዝዎ'ሎ። እቲ ሃንደበታዊ ውሳነ፡ ዘመነ ስልጣኑ ቅድሚ ምብቅዑ፡ ኣርባዕተ ዓመት ኣቐዲሙ'ዩ ዝውሰድ ዘሎ። ስለምንታይ ነቲ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ግና ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን። እማመ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ኣብ ሚዛን ስልጣን እታ ሃገር ዓቢ ለውጢ ዘምጽእ ምዃኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መድቨደቭ ተዛሪቡ። ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎ ቅዋም እታ ሃገር፡ ፑቲን ንዝቕጽል እብረ ስልጣን ክወዳደር ኣይፍቀደሉን'ዩ። እቲ ፕረዚደንት፡ ንክልቲኡ ደረጃታት ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ እማመ ስልጣን ካብ ፕረዚደንት፡ ናብ ፓርላማ ዘሰጋገር'ዩ ኢሉ። ምንጭታት መንግስቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ሚኒስተራት መንግስቲ እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ከም ዝወርድ ኣይፈለጡን። "ሃንደበታዊ'ዩ ነይሩ" ክብል ሓደ ካብቶም ምንጭታት ሓቢሩ። መድቨደቭ ንባዕሉ፡ ንሓያሎ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልገለ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ፕረዚደንት ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብቲ እዋን'ቲ ድማ፡ ቭላድሚር ፑቲን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ሒዙ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብቲ ዝነበሮ መንበረ ፕረዚደንት ተመሊሱ። ይኹን'እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ'ውን እንተኾነ ገባሪን ሓደጊን ከም ዝነበረ'ዩ ዝግለጽ። ብመሰረት ቅዋም ሩስያ፡ ሓደ ፕረዚደንት ንክልተ ተኸታተልቲ እብረታት ጥራይ ከገልግል'ዩ ዝፍቀደሉ። እዚ ማለት፡ ኣብ ካልእ እዋን ተመሊሱ ስልጣን ክሕዝ ይኽእል'ዩ። ኣብቲ ንባይቶ ዘስመዖ መደረ፡ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝውለዱ ቆልዑ ንምውሳኽ ዘኽእል ናይ ፖሊሲ ለውጥታት ከም ዝግበር ቃል ኣትዩ። ብዝሒ ህዝቢ ሩስያ፡ እናነከየ ምምጽኡ ንመንግስቲ'ታ ሃገር ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩሉ ጸኒሑ'ዩ። ነቶም ክወልዱ ዝኽእሉ ዜጋታት ንምትብባዕ፡ ቆልዑ ንዘለዎም ስድራቤታት ናይ ቀረፅ ሕድገት ክግበረሎም ምዃኑ'ዩ ፑቲን ተመባጺዑ ዘሎ። መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ኢራን ምትእስሳር ንዘለዎም ናይ ዜና ድሕረ ገጻት ኣጊዱ ኣመሪካ ስኑዕ ዜና ብምዝርጋሕ ዝኸሰሰቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናይ ዜና ድሕረ ገጻት ኢራን ኣጊዱ። ካብ መንጎ እቶም ዝተኣገዱ ድረ ገጻት ሃገራዊ ማዕከን ዜና ፕረስ ቲቪ ከምኡ'ውን ብኢራን ናይ ዝድገፍ ምንቅስቓስ ሑቲ ዝኾነ ኣል-ማሲራህ ቲቪ ይርከብዎም። ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ብምኽንያት ዳግመ ምብርባር ስምምዕ ኒኩሌር ዓሪጉ ይርከብ። ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ብእስላማዊ ሕብረት ሬድዮን ቴለቪዥንን ኢራን ዝመሓደሩ 33 ድረ ገጻት ከምኡ'ውን ብኢራን ብዝድገፍ ሚሊሻ ሂዝቦላህ ዝውነኑ ካልኦት ሰለስተ ድሕረ ገጻት ዓጊቱ ምህላው ሓቢሩ ይብል ጸብጻብ ሮይተርስ። ብሰሉስ ድረ ገጽ ናይቲ ብመንግስቲ ኢራን ዝካየድ ቀንዲ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ መደበር ቴለቪዥን ኣይሰርሕን ነይሩ። ብተመሳሳሊ ድሕረ ገጽ ናይቲ ካብ ብሪጣንያ ብቋንቋ ዓረብ ዝፍኖ ሉዋሉዋ ቲቪ'ውን ንቡር ኣገልግሎት ይህብ ኣይነበረን። ብዙሓት ካብቶም ድሕረ ገጻት ብሓድሽ ኣድራሻ ዶመይን ናብ ኣገልግሎት ተመሊሶም እዮም። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ካብ ስምምዕ ኒኩለር 2018 ድሕሪ ምንስሓቡን ቁጠባዊ እገዳታታት ኣብ ልዕሊ ኢራን ደጊሙ ድሕሪ ምንባሩን፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንዓመታት ሓርፊፉ እዩ ጸኒሑ። እቲ ስምምዕ፡ ኢራን ንኒኩለራዊ ንጥፈታታ ክሳዕ ዝገትአት እቲ እገዳ ክለዓለላ ዝገብር እዩ። ዋላ'ኳ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብቲ ስምምዕ ክምለስ እንተደለየ፡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ካልእ ነቲ ተበግሶ ክወስድ ይደልዩ፤ እቲ ስምምዕ ድማ ናብ ምፍራስ ተቓሪቡ ኣሎ። ብሰንበት ኣብ ዙርያ እቲ ስምምዕ ዝተኻየደ ሻድሻይ ዙርያ ርክብ ኣብ ቬና ኣብ መንጎ ልኡኻት ኢራንን ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ሩስያን ጀርመንን እኳ እንተተኻየደ ኣብ ምርድዳእ ግና ኣይተበጽሐን። ኣብ ኢራን ኩሎም ማዕከናት ዜና ብመንግስቲ ዝውነኑ እዮም፤ ብውልቂ ዝውነን መደበር ቴለቪዥን ኮነ ሬድዮ የሎን። ሳተላይት ዲሽ'ውን ዋላ'ኳ ብብዝሒ ዝርአ እንተኾነ ፍቑድ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፖሊስ ኢራን ኣብ ኣባይቲ ዝተሰቕለ ዲሽ ብምእካብ ብታንክታት ከም ዘዕነዎም ዝዝከር እዩ። ኣብ ጥቅምቲ፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ፖለቲካዊ ስኑዕ ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ይጥቀመሎም እዩ ዝበሎም 92 ድረ ገጻት ኣጊዱ እዩ። መንግስቲ ኢራን ነቲ ስጉምቲ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የሎን፤ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ግና ኣመሪካ ምመያ ተካይድ ምህላዋ ከሲሶም። ኣብ ኣመሪካ ዝተወለደት ጋዜጠኛ ፕረስ ቲቪ ማርዝየህ ሓሸሚ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ፡ "ኣብ ካልእ ኣብነት ነጻነት ፕረስ ኣመሪካ፡ [ዋሽንግተን] ዲሲ እቲ እትብሎ ባህ እንተዘይኢልዋ፡ ዶመይንካ ተዓጊቱ ኣሎ ትብለካ" ኢላ። ሲፒጄ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንዝኣሰርዎም ጋዜጠኛታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ብህፁፅ ክፈትሑ ፀዊዑ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ስርሖም ንዝኣሰሮም ኩሎም ጋዜጠኛታት ብዘይ ቅድመኩነት ብህፁፅ ክፈትሑ፡ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ፀዊዑ። እቲ ትካል ሎሚመዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ንምእሳር ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ምጥቃም ክትቁጠብ ድማ ኣገንዚቡ። እታ ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ትእውጅ( 23 ጥቅምቲ 2014) ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ 14 ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰረት፡ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ገሊፁ። ካብ ሞንጎ እቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን (ኢቢሲ) ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ኣገልግሎት ሬድዮ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ተኽለሃይማኖት ግርማይን መኮነን ይብራህን፣ መስራትን ኣርታዕን ኡበንቱ ተሌቬዥን ኢያስፔድ ተስፋየ፣ ናይ ኤፒ ናይ ቪድዮ ጋዜጠኛ ኣሚር ኣማን ኪራዮን በዓል ሞያ ካሜራ ቶማስ እንግዳን፣ ጋዜጠኛ ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ኣዲሱ ሙሉነህ፣ መስራትን ኣዳላውን ተራራ ኔትዎርክ ታምራት ነገራን መስራቲትን ሪፖርተርን ሮሃ ሚድያ መዓዛ መሓመድን ይርከብዎም። ሲፒጄ ቅድም ክብል ኣብ እዋን እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካልኦት ሽድሽተ ጋዜጠኛታት ከምዝተኣሰሩ መዝጊቡ’ዩ። ኣብ ዓለም ለኸ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ ወኪል ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ሙተኪ ማሞ፡ “ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ፀጥታ መጠነ ሰፊሕ ማእሰርቲ ክፍፅሙ ዕድል ዝህብ’ዩ። ከምኡ’ውን ሕጋዊ መስርሓት ክቋረፅ ዝገብር፣ ጋዜጠኛታት ስርሖም ከይሰርሑ ዝኽልክልን ንፕረስ ዘፍርሕ መልእኽቲ ዘመሓላልፍን’ዩ” ኢላ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ስርሖም ንዝኣሰሮም ጋዜጠኛታት ሙሉእ ብሙሉእ ክፈትሕን፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ከም ምኽኒት ብምጥቃም ሓሳብካ ብነፃነት ናይ ምግላፅ መሰል ከይጠሓስን ድማ ፀዊዓ። ሲፒጄ፡ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን (ኢቢሲ) ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ተኽለሃይማኖት ግርማይን መኮንን ይብራህን፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ፖሊስ ናብ ገዝኦም መፅዩ ከምዝኣሰሮም፡ ካብ ኣዝማዶም፣ መሓዙቶምን መስራሕቶምን ከምዝፈለጠ ገሊፁ። ጋዜጠኛ መኮንንን ተኽለሃይማኖትን ስነ ምግባር እቲ ሚድያ ጥሒሶም ብዝብል ካብቲ ትካል ከምዝተባረሩ፡ ካብ ጋዜጠኛታትን ኣዝማዶምን ከምዝተረድአ ሲፔጄ ሓቢሩ። ሲፒጄ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት መኮንንን ተኽለሃይማኖትን ብሓለፍቲ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን ዝቐረበ ክሲ ተዓዚቡ እዩ። ሰብመዚ እቲ ትካል፡ ንጋዜጠኛ መኮንን “ካብ ወርሒ ለካቲት ክሳብ ጉንበት ዝሰርሖም መደባት ኢዲቶርያል ፍቓድ ዘይረኸቡን ንህወሓት ዝድግፉን” ብምባል ከሲሰሞ። ንጋዜጠኛ ተኽለሃይማኖት ድማ ፡ ኣብ ዝሓለፈ 4 ነሓሰ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ መንግስቲ ትካላት ንግዲ ተወለድቲ ትግራይ ይዕሽግ ከምዘሎ መደብ ምስርሑ ስዒቡ ካብ ስርሑ ተባሪሩ። ሲፒጄ ኣብቲ ዝተዓዘቦ መረዳእታ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን፡ እቶም መደባት “ብተዘዋዋሪ” ንህወሓት ዝሕግዙ ምዃኖም ምዝራቦም ገሊፁ። ሲፒጄ ናይቶም ብጋዜጠኛ ተኽለሃይማኖት ዝተሰርሑ መደባት ቅዳሕ ብዘይምርካቡ ክግምግም ከምዘይከኣለ’ውን ሓቢሩ። ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ፡ ካብ ኢቢሲ፡ ብስልኪ፣ ኢመይልን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ድህረ ገፃትን ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ’ውን ኣይሰመረን። ዋና ዳይሬክተር በዓልስልጣን ብሮድካስቲንግ ኢትዮጵያ መሓመድ ኢድሪስ፡ ናብ ሲፒጄ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኢቢሲ ምስ ስርሖም ከምዘይዛመድን፡ ምስ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ብዛዘመድ “ምስ ጥንቃቐን ስጉምትታት ድሕንነትን” ክኾን ከምዝኽእል ኣአንፊቱ። ሲፒጄ ዘዘራረቦም ዘመድን መሳርሕትን እቶም ጋዜጠኛታት ግና፡ ጋዜጠኛ ተኽለሃይማኖትን መኮንን ካብ ስራሕ ክባረሩ ብዝገበርዎም መደባትን ተወልድቲ ትግራይ ብምዃኖምን ከምዝተኣሰሩ ገሊፆም። ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ካብ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን (ኢቢሲ) ምስተሰጎጉ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ሲቪል ሰርቪስ ፌደራል ይግባይ ኢሎም ኔሮም። ፖሊስ እታ ሃገር፡ ናይ ኣሶሺየትድ ፕሬስ ናይ ቪዲዮ ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ካሜራን ከምኡ’ውን ጋዜጠኛ ፋና ብሮድካስቲንግ፡ ምስ ኦነግ ብዝዛመድ ፀብፃብ (ዜና) ከምዝተኣሰሩ እዩ ገሊፁ። ኣሶሺየትድ ፕሬስ ሰለስቲኦም ጋዜጠኛታት (ኣሚር ኣማን ኪራዮ፣ በዓል ሞያ ካሜራ ቶማስ እንግዳን ኣዲሱ ሙሉነህን ) ኣብቲ ዝሓለፈ 19 ሕዳር 2014 ከምዝተኣሰሩ ዝፀብፀበ እንትኾን፡ ፖሊስ እታ ሃገር ግና ትማሊ እዩ ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ወግዓዊ ጌሩ። ኣሶሺየትድ ፕሬስ (ኤፒ)፡ ኣሚር፡ ሓደ መደብ ንምስራሕ ኣብ ዝተጓዓዘሉ ከምዝተኣሰረ ኣፍሊጡ። ሲፒጄ፡ ጉዳይ ማእሰርቲ ቶማስን ኣዲሱን የፃርዮ ከምዘሎ ገሊፁ። ብዛዕባ መገሻ ኣሚር ዝርዝር ጉዳያት ካብ ምግላፅ ዝተቖጠበ ኤፒ፡ ሰለስቲኦም ጋዜጠኛታት ‘ኣዋጅ ህፁፅ ግዘን ሕጊ ፀረ ግብረ ራዕድን ብምጥሓስ’ ብዝብል እዮም ተኸሲሶም ኢሉ። መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ብወገነን፡ ሰለስቲኦም ጋዜጠኛታት ምስ ኣባላት እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብግብረራዕዲ ዝተሰመየ ኦነግ ቃለ መሕተት ብምክያዶም ከምዝተኣሰሩ ፀብፂበን። ዋና ኤዲተር ኣሶሼትድ ፕረስ ጁሊ ፔስ፡ ኣሚር ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከምዝፀብፀበን፡ እቲ ክሲ ግና “መሰረት ዘይብሉ” ከምዝኾነ ብምግላፅ ውድቂ ጌራቶ። እታ ዋና ኤዲተር ናብ ሲፒጄ ኣብ ዝለኣኸቶ ኢመይል፡ ኣሚር ምስተኣሰረ ስድርኡ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዘ ክርእይዎ ከምዝተፈቐደ ሓቢራ። ወሃቢቃል ፖሊስ ፌደራል ጄይላን ኣብዲ፡ ግብረ ራዕዳዊ ተባሂሉ ንዝተበየነ ግንባር ናፅነት ኦሮሞ (ኦነግ) ቃለ መሕተት ምክያድ ብሕጊ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዘሕትት ገበን ምዃኑ ከም ዝገለፀሉ ሲፒጄ ኣፍሊጡ። እቲ ኣፈኛ፡ ዕላማ እቶም ጋዜጠኛታት ነቲ ውድብ (ንኦነግ) ብብርኪ ዓለም ተፈላጢ ንምግባር እዩ ብምባል፡ ፖሊስ ነቶም ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘቕርቦም ንሲፒጄ ብስልኪ ተዛሪቡ። ብምኽንያት መንግስቲ እታ ሃገር ዝኣወጆ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ብኣካላት ፀጥታ እታ ሃገር ተኣሲሮም ይርከቡ። ሲፒጄ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ካብ ኤርትራ ቀፂላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝተሰርዐት ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣብ ፅባሕ እቲ ፀብፃብ ድማ ሰለስተ ጋዜጠኛታት ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣባላት ፀጥታ ተኣሲሮም። ዓለም ለኸ ተሓላቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሲፒጄ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ኢትዮጵያ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብኻልኣይ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ኣፍሊጡ። ስድራ እቶምኣብዚ ሰሙን ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት’ውን ደሃይ ከምዘይብሎም ንቢቢሲ ገሊፆም’ዮም። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ዝርከብሉ ኩነታት ክፍለጥን ሰባት ክበፅሕዎም ክፍቀድን ሓቲቱ። እቲ ኮምሽን ኣብ ጉዳይ እቶም ጋዜጠኛታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኩነታት ጋዜጠኛ እያስፔድ ተስፋየ፣ ክብሮም ወርቁ፣ መዓዛ መሓመድን ታምራት ነገራን ንምፍላጥ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ይዘራረብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኢትዮጵያዊ: ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ምእታው በዓልቲቤቱ ሓቢራ ተራራ ኔትዎርክ' ብዝብል ንዝፍለጥ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጽ መስራትን ዋና ኣሰናዳኢን ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ካብ መንበሪ ገዝኡ ብፖሊስ ከምዝተወስደ መሳርሕቱን በዓልቲቤቱን ሓቢሮም። በዓልቲቤቱ ሰላም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ዝሰርሕ ዝነበረን ካብ ስደት ድሕሪ ምምላሱ ተራራ ኔትዎርክ ዝተሰመየ ናይ ዩትዩብ ቻነል ብምምስራት ክነጥፍ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ካብ መንበሪ ገዝኡ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተወሰደ ኣብሪሃ። ታምራት ሎሚ ዓርቢ ረፋድ ምኽንያቱ ከይተገለጸሉ ንሕቶ ከምዝድለ ተነጊርዎ: ካብ ገዝኡ ናብ ሳልሳይ መደበር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተወሰደ መሳርሕቱ ኣረጋጊጾም። ዓለምለኻዊ ተጣበቅቲ መሰል ጋዜጠኛታት ንዓመተ 2021 ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኢትዮጵያ ትሽዓተ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካብ ሃገራት ትሕተ ሳህራ ካልኣይቲ ኮይና ምህላዋ ገሊጹ። ሰላም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ምስቶም ናብ መንበሪ ገዝኡ ዝመጹ ናይ ሲቪል ክዳውንቲ ዝለበሱን ኣባላት ፖሊስ ምዃኖም ዝሓበሩን ውልቀሰባት ብረት ዝሓዙ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ምንባሮምን ናብ ናይ ስራሕ ቦትኡ'ውን ከም ዝኸዱ ገሊጻ። እቶም ኣባላት ጸጥታ ካብ ስርሑ ከምኡ'ውን ካብ መንበሪ ገዝኡ ዝተፈላለየ ንብረት ከምዝወሰዱ ዝሓበረት ሰላም "ብቐጥታ ናብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ብምኻዶም፡ እቲ ማእሰርቲ ምስ ስርሑ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል ፈሊጥና። ናይ ቤትፍርዲ ኮነ ናይ ክሲ ወረቐት የለን። ንሕቶ ተደሊኻ ኣሎኻ ኢሎም እዮም ዝወሰድዎ" ኢላ። "ጠበቓ ሒዝና ክንመጽእ ብምንታይ ገበን ከምዝተጠርጠረ ንገሩና ምስበልና 'ነዚ ድሕሪ መርመራን ሕቶን ኢና እንፈልጥ። ሕጂ ዝኾነ ንነግረኩም ነገር የሎን። ንሕቶ ኢና ደሊናዮ' ኢሎም ከይዶም"ድማ ትብል። ቢቢሲ ታምራት ንዝተጠርጠረሉ ጉዳይ ንምፍላጥ ናብ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ኮምሽን ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካው ፋንታው እኳ እንተተወከሰ፡ እቲ ሓላፊ ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ ዝፈልጦ ከምዘየለ ገሊጹ። ታምራት ብልምዲ 'ሶስተኛ' ናብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወሰደ ኣባላት ፖሊስ ከምዝሓበርዋ ዝገለጸት በዓልቲቤቱ ኪንዮ እዚ ብንጹር ኣበይ ከምዝርከብ ከተረጋግጽ ከምዘይከኣለት ሓቢራ። ታምራት ነገራ ቅድሚ ዓሰርቲ ዓመታት ኣብ ሕትመት ህቡብነት ኣብ ዝነበራ ጋዜጣ ኣዲስ ነገር ፖለቲካዊ ትንታነታት ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ዝነበረ ኮይኑ፤ እታ ጋዜጣ ብጸቕጢ ናይ መንግስቲ ክትዕጾ ከላ ታምራት ዝርከቦም ኣባላት እታ ጋዜጣ ናብ ስደት ምምርሖም ይዝከር። ታምራት ንዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ስደት ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ድሕሪ ምምጽኡ እዩ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ን'ተራራ ኔትዎርክ' ብምምስራት ክሰርሕ ጀሚሩ። ቅድሚ ሒደት መዓልትታት 'ኡቡንቱ' ናይ ዝተባሃለ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገጽ ኣባልን ኣክቲቪስትን ዝነበረ እያስፔድ ተስፋዬ ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ገዝኡ ተወሲዱ ኣብ ቀይዲ ምእታው ኣባላት ስድራቤቱ ንቢቢሲ ምግላጾም ይዝከር። ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ልኡላውነት ኤርትራ ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺታት፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቖጢዑ ምንባሩ ይዝከር። ኬንያዊት ጋዜጠኛ ቪክቶርያ ሩባዲሪ ተዓዋቲት ሽልማት ቢቢሲ ኮምላ ዱሞር ኮይና ኬንያዊት ጋዜጠኛ ምርምርን ኣቅራቢት ዜናን ቪክቶርያ ሩባዲሪ ተዓዋቲት ሽልማት ቢቢሲ ኮምላ ዱሞር 2020 ኮይና። ሩባዲሪ ኣብ መደበር ተለቪዥን ሲቲዝን ቲቪ ናይ ኬንያ ትሰርሕ ኮይና ኣብቲ ማዕከን ዜና ኣቐራቢት ዜናን ኣዳላዊት ምርምራዊ [ሰነዳዊ] ዶከመንታሪታት እያ። ሩባዲሪ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ናይ ጋዜጠኝነት ክትሰርሕ እትኽል ኮይና ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቓ ሓንቲ ካብቶም ብዙሓት ደገፍቲ ዘለወዎም ውሑዳት ጋዜጠኛታት እያ። ንሳ ንህሉው ጉዳያትን ፖሎቲካን ኣመልኪታ ምስ ብዙሓት መራሕቲ ቃለ መሕተት ዝገበረት’ውን እያ። ሽልማት ኮምላ ዱሞር፡ ነቲ ኣብ መበል 41 ዓመቱ ኣብ 2014 ብሃንደበት ዝሞተ ውሩይ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ዝነበረ ኮምላ ዱሞር ንምዝካር ተባሂሉ ዓመታዊ ዝውሃብ ሽልማት እዩ። ሩባዲሪ ካብ ኬንያ ካልኣይቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ ሻድሸይቲ ተዓዋቲት እዚ ሽልማት ኮይና ኣላ። ቅድሚ ሕጂ ሶሎሞን ሰርዋንጃ፡ ዋይሂንጋ ምዋሩ፡ ኣሚና ዮጉባ፡ ዲዲ ኣኪንየሉረ ከምኡ’ውን ናንሲ ካኩንዲራ ተዓዊተምሉ ነይሮም። ሩባዲሪ ነዚ ሽልማት ስለዝተዓወተትሉ ንሰለስተ ኣዋርሕ ፍሉይ ስልጠና ብምውሳድ ኣብ ራድዮ ተለቪዥንን ‘ኦንላይንን’ ቢቢሲ ብምስራሕ ተመክሮኣ ክትለዋወጥ ዘኽእል ዕድል ክህልዋ እዩ። ሩባዲሪ “ኮምላ ኩሉ ዘማልአ ጋዜጠኛ’ዩ ነይሩ። ኣነ ድማ ብእኡ ኣዝየ’የ ዝምሰጥ ነይረ” ኢላ። ንሳ ብምስዓብ፡ " ምስ ቢቢሲ ተሓዊሰ ክምሃርን ተመክሮ ክለዋወጥን ዕድል ስለዘለኒ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር፤ኣህጉርን ዓለምን ዘለዎ ተኸታተልቲ ንኽራኸብን ዛንታ ንኽነግርን ዘኽእል ዕድል እዩ” ኢላ። ዳይረክተር ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪዝ ጃሚ ኣንገስ “ቪክቶርያ ዓሚቕ ክእለታ ኣብ ቢቢሲ መጺኣ ከተርእዮ እያ” ኢሉ። ጃሚ ኣንገስ ብምስዓብ “ ኮምላ ዘይተነገሩ ዛንታታት ኣፍሪቃ ኣብ ምንጋር ፍሉይ ተውህቦ ዝነበሮ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ፡ ቪክትቶያ’ውን በቲ ናታ መነጽር ገይራ ዛንታታት ናብ ተዓዘብቲ ከተቕርብ ኢና ትጽቢት ንገብር” ኢሉ። ካልድ ዓብዱ፡ ተዘክሮ ኣደለውቲ ብሕቲ ጋዜጣታት ኤርትራ ወርሒ መስከረም ካብ 2001 ጀሚራ በቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክትዝክር እንከላ፡ ኤርትራውያን ድማ ንወርሒ መስከረም፡ ክስተቱ ናይ 40 ዓመታት ፍልልይ ብዘለዎ፡ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ 1961፡ ምእሳር ላዕለዎት ሰብ መዚ፡ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ምእሳር ጋዜጠኛታተንን እዮም ዝዝክርዋ። 18 መስከረም 2001፡ ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ 11 ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት 'ንግዚኡ' ብዝተብሃለሉ ኣዋጅ ካብ ስራሕ ደው ክብላ ተወሲኑ። ድሕሪ ሳልስቲ ከኣ ኣብተን ጋዜጣታት ዝጽሕፉ ዝነበሩን ኣዳለውተንን በብሓደ ክተሓዙን ክቕየዱን ጀሚሮም። ጋዜጣ ኣድማስ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ 1998 ዝጀመራ ጋዜጣታት ናይ ብሕቲ ኮይና፡ ኣዳላዊ እዛ ጋዜጣ ዝነበረ ካልድ ዓብዱ መሓመድ ስዒድ፡ ኣብ 1999 ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገረ ሽወደን ከም ጋዜጤኛን ኣማኻርን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ተዘክርኡ ኣካፊሉና ኣሎ። ንምዃኑ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ካብ ምዓስ እየን ጀሚረን? ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ 1 መስከረም፡ ምስ ጽንብል 30 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ቦኽሪ ሕታማ ናብ ኣንበብታ ኣቕሪባ፡ ናይ ውልቂ ጋዜጣታት ንክጅምራ ግን ዓመታት እዩ ወሲዱ። ካልድ "ብመሓሪ ኣብርሃም ትዳሎ ዝነበት ብትግርኛ ብእንግሊዘኛን ትዳሎ ዝነበረት ጋዜጣ መስትያት (The Mirror): እታ ናይ መጀመርታ ናይ ውልቂ ጋዜጣ እያ። ድሕሪኡ ጋዜጣ ሰቲት ኣብ 1997 ስዒባ እተን ዝተረፋ ከኣ [ቀጺለን] ስዒበን" ይብል። ካልድ፡ ድሕሪ ብመንግስቲ ሕጊ ፕረስ ምጽዳቑን ምፍቃዱን፡ ናይ ስነጽሑፍ ድሕረ ባይታ ዝነበሮም፡ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ዝነበሩን ዝተመረቑን፡ ካብ ደገ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉን፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ናይ ስነጽሑፍ ኣበርክቶ ዝነበሮምን ተኣኻኺቦም ከም ዝተበጋገሱ እዩ ዝሕብር። "ሕሰቦ እንዶ፡ ድሌት እዩ እምበር፡ ኣብታ ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ናይ ኤርትራ ናይ 'ጆርናሊዝም ዲፓርትመንት' ኣብ ዘይነበረሉ ኢና'ኮ ጀሚርና።" ይብል። ካልድ ብምስዓብ፡ ንሱን ማትዩስ ሃብትኣብን (ኣዳላዊ ጋዜጣ መቃልሕ) ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብቁጽሪ (ሒሳብ)፡ ስዒድ ዓብደልቃድር ብቁጠባ (Economics) ፡ መድሃኔ ሃይለን ገዛኢ ሓጎስን (ኣብ ዊንታናን ኣብ ቀስተ ደበናን ዝሰርሕ ዝነበረ) ሕጊ ከም ዘጽንዑን ብምሕባር፡ እቶም ኣብ ገድሊ ናይ ስነ ጽሑፍ ኣበርክቶ ዝነበሮም ከም ብዓል ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋን)፡ ኣሮን ብርሃነን ስምረት ስዩምን ተሓዊሰሞም፡ ካብ ደገ ዝመጽኡ ከኣ ብዓለ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ (ጋዜጣ ጽጌናይ) ተኣኻኺቦም ይሰርሑ ምንባሮም የብርህ። ካልድ ንጋዜጣ ኣድማስ ከም ኣብነት ብምውሳድ፡ ኣብ መጀመርታ ብውሑድ ቁጽሪ ከም ዝጀመሩ ብምሕባር፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 15 ሽሕ ሕታማት ዘሕትምሉ እዋናት ከም ዝነበረ ይዝክር። "ጉጀለ 15 ምስዘን ናይ ውልቂ ጋዜጣታት ቃለመሕትተ ክገብሩ ምስ ጀመሩ ግን፡ ጋዜጣ ሰቲት ኣብ መዓልቲ ክሳብ 40 ሽሕን ልዕሊኡን ተሕትም ነይራ።" "እቲ ዝተሓትመ ኩሉ ይሽየጥ ነይሩ ማለት ግን ኣይኮነን፡ እቲ ዘይተሸጠ ተኣኪቡ ብመንገዲ ክፍሊ ጎስጓስን ሓበሬታን ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ናብ ሰራዊት ብነጻ ዝዕደለሉ ኣገባባት ነይሩ" ከኣ ይብል። ስራሕ ሚድያ ኣብ ሕብረተሰብ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባን ናይ ኣረዳድኣ መሰረት ምፍጣር እዩ፡ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ሓሳቦም ከፍስሱ ዕድል ፈጢርካ፡ ህዝቢ ዝሓሸ ዝበሎ ኣተሓሳስባ ንኽመርጽ ዕድል ከም ዝህልዎ ባይታ ምጥጣሕ እዩ ይብል ካልድ። "እተን ጋዜጣታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ሕታማተን ይውስኽ ምንባሩ ከኣ ኣብ ህዝቢ ዝነበረን ተቐባልነት እዩ ዘርኢ፡ ብእኡ መንጽር ምስ ዝረአ ከኣ ንህዝቢ ዝሓሸ ሕርያ ናይ ሓበሬታ ይፈጥራሉ ነይረን እየን።" እዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ኣብቲ መጀመርታ ሕጸረታት ዘበገሶ ናይ ኣስመራ ዜናታት ጥራይ ይጽብጸባ ጥራይ ብምንባርና፡ 'እዘን ጋዜጣታት ናይ ኣስመራ ድየን ናይ ኤርትራ?" ዝብል ነቀፌታታት ይበጽሖም ምንባሩ ዝሕብር ካልድ "ድሕሪ'ዚ ነቀፌታ ናብ ዞባታት እናተንቀሳቐስና ክንሽፍን ጀሚርና ነይርና ኢና" ኢሉ። እተን ጋዜጣታት ብዓል መን ነይረን ብዓል መንከ ተኣሲሮም ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተምሃሮን ኤርትራ (ናይ ሽዕኡ ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራ) እትሕተም ጋዜጣ ኮይና ኣብ 1996 ድማ'ያ ንመጀመርታ እዋን ናብ ኢድ ኣንበብታ በጺሓ። ካብ ሰሙናዊት ናብ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ክትሕተም ዝኸኣለት ጋዜጣ እያ። ኣብ ነሓሰ 1997 ክትዝርጋሕ ዝጀመረት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ እያ። ፍስሃየ ዩውሃነስ ጆሽዋ፡ ገጣሚ ጸሓፊ ድራማን ግዜጤኛን ዝነበረ (23 መስከረም 2001 ተኣሲሩ)፡ ኤርትራዊ ስዊድናዊ ዳዊት ኢሳቕ ንዝተወሰነ እዋን ኣሳናዳኢ እዛ ጋዜጣ ዝነበረ፡ ጸሓፊ ድራማን ገጣምን ዝነበረ ኮይኑ ክልቲኦም ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም። ሰዩም ጸሃየ እውን ገዲም ተጋዳላይን ሓደ ካብ መስረትቲ ተሌቪዥን ኤርትራን ኮይኑ፡ ኣብዛ ጋዜጣ ጽሑፋት ዘበርክት ዝነበረ እዩ ኣብ መስከረም 2001 ከኣ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ኣብ መስከረም 1998 ብመልክዕ መጽሄት ዝጀመረት ኮይና፡ ኣብ ክልተ ሰሙን ሓንሳብ ፈሊማ ጸኒሓ ናብ ሰሙናዊት ጋዜጣ ተሰጋጊራ። ዋና ኣሳናዳኢ እዛ ጋዜጣ ዝነበረ፡ ኣማንኤል ኣስራት (23 መስከረም 2001 ተኣሲሩ)፡ ሳህለ ጸገዛኣብ (ወዲ ኢታይ) ጋዜጤኛ ሓዳስ ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ጋዜጣ ዘመን እውን ጽሑፋት ዘበርክት ዝነበረ እዩ፡ 23 መስከረም 2001 ከኣ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ብታሕሳስ 1998 ክትሕተም ዝጀመረት ጋዜጣ'ያ። ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ካብ ዝሕተማ ዝነበራ ናይ ግሊ ጋዜጣታት እያ ነይራ። ዋና ኣሰናዳኢ እዛ ጋዜጣ ዝነበረ ማትዮስ ሃብተኣብ፡ ምክትል ኣሳናዲ እታ ጋዜጣ ዝነበረ ዳዊት ሃብተሚካኤል ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም። ኣብ 1998 ቀዳማይ ሕታማ ዝዘርገሐት ናይ ወልቂ ጋዜጣ እያ። መድሃኔ ሃይለን ምክትል ኣሳናዳኢ እታ ጋዜጣ ዝነበረን፡ ተመስገን ገብርየሱስ ኣሰናዳኢ ዜና ስፖርት ዝነበረን ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣትዮም። ናይ መጀመርታ ሕታማ ኣብ 1998 ኰይኑ፡ ካብ ጥሪ 2000 ጀሚራ ሓዳስ-ኣድማስ ዝብል ስም ተዋሂባ። ሓዳስ ኣድማስ፡ እታ ናይ ፈለማ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ንምሕታም ዝበቕዐት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ እያ። ዋና ኣሳናዳኢ ሓዳስ ኣድማስ ዝነበረ ስዒድ ዓብደልቃር 23 መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ጋዜጣጽጌናይ ዋና ኣሳናዳኢ እዛ ጋዜጣ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ 23 መስከረም 2001 ተኣሲሩ። ኢድሪስ ኣቡ ዓረ እውን ደራስን ጋዜጤኛን ኮይኑ ኣብዛ ጋዜጣ ጽሑፋት ዘበርክት ዝነበረ እዩ ኣብ መስከረም 2001 ከኣ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ። ዊንታና 'ውን ሓንቲ ካብተን ኣብቲ እዋን ዝነበራ ናይ ውልቂ ጋዜጣታት ኮይና፡ ዋና ኣሰናዳኢኣ ዳዊት ገብረኣብ ኮይኑ፡ ፍቕራዊ ትሕስቶታት ዘለዎ ዓምድታት ተዳሉ ነይራ። ብዘይካ'ዚ ኣብ ናይ መንግስቲ መራኸቢ ብዙሓን ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ሓሚድ መሓመድ ስዒድ ኣብ ተሌቪዥን ኤርታራ መደብ ስፖርት ዘቕርብ ዝነበረ እዩ፡ 15 ለካቲት 2002 ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ሳልሕ እድሪስ ስዒድ (ሳልሕ ኣል ጀዛይር) ኣብ ጋዜጣ ኤረትርያ ኣልሓዲሳን መደብ ድምጺ ሓፋሽ ብዓረብ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ ኣብ ለካቲት 2002 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ጅምዕ ከሚል ኣብ ሓዳስ ኤርትራ መደብ ስፖርት ዘዳሉ ዝነበረ ኮይኑ ኣብ ሕዳር 2005 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ንግሆ 18 መስከረም 2001 ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ብመገዲ ናይቲ ረፍዲ ኣንባቢ ዜና ዝነበረ ጋዜጤኛ ነብስሄር ሰሎሙን ኣበራ፡ "ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ሕጊ ሃገርን ሕጊ ፕረስን ብምጽራረን ብሕጊ ንኽሰርሓ ዝተውሃበን ተደጋጋሚ መዘኻኸርን ዕድልን ብምንጻገን ካብ ሎሚ 18 መስከረም 2001 ጀሚሩ ንግዚኡ ደው ንኽብላ መንግስቲ ኤርትራ ወሲኑ ኣሎ" ዝብል ዜና ተሰሚዑ። "መንግስቲ ንግዚኡ እየን ተዓጽን እንድዩ ኢሉ ነይሩ፡ እቲ ንግዚኡ ዝተባህለ ግን እነሀለ 18 ዓመቱ ኮይኑ" ይብል ካልድ። ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሚኒስተራትን ኣዝዝቲ ሰራዊትን ዝርከብዎም፡ ኣብ መንግስቲ ጽገናታት ክግበር ሕቶ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ዶባዊ ኵናት ተጸሚዳ እንከላ 'ጠሊሞምን ክሒዶምን' ዝብል ጎስጓስ ስለዝተጀመረ፡ ነብሶም ክኸላኸሉን ሓሳባቶም ናብ ህዝቢ ከብጽሑን ምስዘን ናይ ውልቂ ጋዜጣታት ቃለ መሕተት ክገብሩ ጀሚሮም። ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ ካብ ኣባላት ጉጅለ 15፡ ምስ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ቃል መሕትት ዝገበረ ናይ መጀመርታ ምንባሩ፡ ካልድ ነቲ ኣጋጣሚ ብኸምዚ ይዝክሮ። "ኣብ ሓዳስ ኤርትራ፡ ጀነራል ዑቕበ ኣብራሃ፡ ኣብ ኮርፖሬሽን ቀይሕ ባሕሪ [09] ገንዘብ ኣጣፋፊኡ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዝወጽአ፡ ነብሰይ ክከላኸል ኢሉ፤ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ስለዘይተፈቐደሉ [ኣብቲ ጋዜጣ ሓቢርዎ ከም ዝነበረ] ናብ ጋዜጣ ቀስተ ደበና መጺኡ ቃለ መሕተት ገይሩ፡ እቲ ሓቂ እዩ ዝበሎ ተዛሪቡ" ይብል። ጋዜጣታት ናይ ብሕቲ ድሕሪ ምዕጻወንን እቶም ካብ ኤርትራ ከይወጽኡ ዝጸንሑ ጋዜጤኛታት እውን ምስ ተኣሰሩ፡ ብወገን መንግስቲ፡ እዘን ጋዜጣታት ብናይ ደገ መንግስታት ይምወላ ምንባረንን፡ ንህዝቢ ንምንዓብ ይሰርሓ ምንባረንን ብተደጋጋሚ ይግለጽ ነይሩ እዩ። "እዘን ጋዜጣታት እዚአን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር ተዋፊረን እንድሕር ነይረን፡ መንግስቲ ከሳሲ፡ መንግስቲ ፈራዲ ክኸውን ኣይምተገበኦን፡ ይከሰሳ! ነጻ ብዝኾነ ኣካል ጉዳየን ተራእዩ ከኣ ቤት ፍርዲ ጌጋ ፈጺመን እንድሕር ኢልወን ፍርደን ምወሰዳ፡ እዚ ግን ሓቕነት ዘይብሉ ነገር እዩ" ይብል ካልድ። "እዘን ጋዜጣታት እዚአን እቲ ብጉጅለ 15 ቀሪቡ ዝነበረ ክፉት ደብዳበ የአንግዳ ነይረን እየን። እነ ክርእዮ እንከለኹ ግን እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ተኣሲሮም ንሰን እንተተገዲፈን ብዛዕባ ምእሳር እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምጽሓፈንን ምሕታተንን ስለዘይተርፍ እየን ተዓጽንን ኣባላተን ተኣሲሮምን።" ክኣ ይውስኽ ካልድ። ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ጸግዒ ናይ ጉጀለ 15 ድየን ነይረን? ነጻ ብዝኾነ ኣካል ጉዳየን ተራእዩ ከኣ ቤት ፍርዲ ጌጋ ፈጺመን እንድሕር ኢልወን ፍርደን ምወሰዳ፡ እዚ ግን ሓቕነት ዘይብሉ ነገር እዩ" ይብል ካልድ። "እዘን ጋዜጣታት እዚአን እቲ ብጉጅለ 15 ቀሪቡ ዝነበረ ክፉት ደብዳበ የአንግዳ ነይረን እየን። እነ ክርእዮ እንከለኹ ግን እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ተኣሲሮም ንሰን እንተተገዲፈን ብዛዕባ ምእሳር እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ምጽሓፈንን ምሕታተንን ስለዘይተርፍ እየን ተዓጽንን ኣባላተን ተኣሲሮምን።" ክኣ ይውስኽ ካልድ። ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ጸግዒ ናይ ጉጀለ 15 ድየን ነይረን? ኣዳላዊ ጋዜጣ ኣድማስ ዝነበረ ካልድ ዓብዱ መሓመድስዒድ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዜና፡ ሚዛን ንምሕላውን ቃለ መንግስቲ ኣብቲ ዜና ንምክታትን ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ይሓቱ ምንባሮምን መንግስቲ ግን ቃል ክህቦም ፋቓደኛ ከም ዘይነበረ እዩ ዝሕብር። "ሓንሳብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ጋዜጣ ሰቲት ቃለ መሕትት ዝገበሮ እንተዘይኮይኑ፡ እዚ እውን ጉጅለ 15 ቅሉዕ ደብዳበ ከይጸሓፉ እንከለዉ እዩ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ቀጥታዊ ቃል መንግስቲ ረኺብና ኣይንፈልጥን ኢና" ይብል። ብምስዓብ "መንግስቲ ሚድያ ተቆጻጺሩ፡ ጉጅለ 15 ነብሶም ንኽከላኸሉ፡ ሓሳቦም ከፍስሱ ባይታ ምፍጣር ተሓባባራይ ዘቁጽር እንተኾይኑ ሰብ ይፍረዶ" ይብል። "ካብ ደገ ይምወሉ ነይሮም ዝብል ክሲ እንድሕር ነይሩ ኮይኑ እውን፡ ነቶም መንግስቲ ከምኡ ገይሮም ዝብሎም ናብ ነጻ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ዘይቐርቡ፡ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ኢኻ ዝበሎ ከአ ግቡእ ፍርዱ ይቕበል" ይውስኽ ኣዳላዊ ጋዜጣ ኣድማስ ዝነበረ ካልድ። ካልድ ዓብዱ፡ ኣብቲ እዋን፡ ኣብታ ብመንግስቲ እትውነን ቤት ማሕተም ሳቡር ከሕትሙ ይግደዱ ምንባሮም ብምሕባር፡ ነብሲ ወከፍ ገጽ ቅድሚ ምሕታማ ብመንግስቲ ዝተመዘዙ ሓምሽተ መመይቲ ምንባሮምን፡ እቲ ተረኛ ከይፈረመላ ትሕተም ገጽ ከምዘይነበረት እዩ ዝሕብር። "ኣብ ጽሑፋትና ጸገም እንድሕር ነይሩ፡ ንሕና ምስ ጸሓፍና፡ ቅድሚ ምሕታሙን ናብ ህዝቢ ምዝርግሑን፡ እቶም ብምኒስትሪ ዜና ዝተመዘዙ መመይቲ እዮም ዝርእይዎን ዝፍርሙሉን ነይሮም፡ እንተዝደልዩ ሽዕኡ ምኸልከሉና" ብምስዓብ "ናይ ውልቖም ቤት ማሕተም ዝነበሮም ጋዜጤኛታት ነይሮም እዮም፡ ንሕና እውን ካብ ሳቡር ዝሓስር ካልእ ቤት ማሕተም ምረኸብና፡ ንምቁጽጻር ክጥዕሞም ግን ኣብ ቤት ማሕተም ሳቡር ከነሕትም ንግደድ ነይርና" ይብል ካልድ። "ብጥቕሉሉ፡ እዘን ናይ ውልቂ ጋዜጣታት መንግስቲ ሓሳብ ህዝቢ እንታይ ይመስል መፈተኒ እዩ ተጠቒሙለን፡ ንጉጅለ 15 ንኽዛረቡ ስለዝፈቐዳሎም ከኣ ብላኼማ ተዓጽየንንን እቲ ማእሰርቲ ስዒቡን" ይውስኽ ካልድ። ኣዳላዊ ጋዜጣ ኣድማስ ዝነበረ ካልድ ዓብዱ ድሕሪት ምልስ ኢሉ "ነጻ ፕረስ ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዝነበረ መሪሕነት ጽቡቕ ስም ዝረኸበሉ እዋን እዩ ነይሩ፡ ብወገን ኤርትራ ከምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ቅዋም ነጻፍፍ ኣለና ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ንዓለም ከኣ እነሀና ናብ መስርሕ ዲሞክራሲ ንኣቱ ነጻ ፕረስ እውን ኣዊጅና ንምባል ዝዓለመ እዩ፡ ክንኡ ዝኸይድ ኣይኮነን።" "ኣብ ሓንቲ ቅዋም ዘይብላ ሃገር እኮ ኢና ነዚ ስራሕ ጀሚርናዮ፡ ቅዋም እንተዝህሉ፡ ሕጊ ትፈልጦ እንታይ እንተጌርካ እንታይ ትቕጻዕ ትፈልጥ ኣኸለ፡ ቅዋም ዘይምህላዉ ግን፡ ዘይንቡር ነገር ከም ንቡር ዝተወስደሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘለና" ይብል ካልድ። ካልድ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ነቶም እሱራት ዝሕልውዎም ዝነበሩ ኢሎሞ ዝብሃልን ብዙሕ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ "ንዕኡ ክደግሞ ኣይክእልን እየ፡ ምኽንያቱ ንጽበን ዝጽበዩ ስድራን ኣለዉ፡ ኣብ ዒራዒሮ ዝኣመሰለ ቦታ ንኽንድዚ ዓመታት ተኣሲሮም ምስ ምሉእ ጥዕነኦም ክወጽኡ ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ ግን የብለይን" ይውስኽ። ክሰርቕ ዝተረኽበ ኣምባሳደር ሕማሙ ኣመኽንዩ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ኣምባሳደር ሜክሲኮ ኣብ ኣርጀንቲና፡ ሓዲሽ ናይ ስርቂ ክሲ ተመስሪትዎ እንከሎ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ተፈሊጡ። ንሱ ኣብ ሓደ ቤተ-መጽሓፍቲ መጽሓፍ ሰሪቁ ክወጽእ ከም ዝተታሕዘ ይፍለጥ። ወዲ 77 ዓመት ኣምባሳደር ሪካርዶ ቫለሮ፡ ብሰንኪ ጥዕናዊ ጸገማት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከም ዝተገደደ ኣመልኪቱ'ዩ። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሜክሲኮ'ውን፡ እቲ ኣምባሳደር ናይ ሰነ-መትኒ ክንክን ይግበረሉ ከም ዘሎ ገሊጹ። ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ቦነስ-ሳይረስ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መጽሓፍቲ፡ መጽሓፍ ወሲዱ ኣብ ውሽጢ ጋዜጣ ጠቕሊሉ ከይኸፈለ ክወጽእ ክብል ብቪድዮ ተታሒዙ ነይሩ። ዋጋ እታ መጽሓፍ ድማ ሽውዓተ ዶላር ጥራሕ እያ ነይራ። ኣብዚ እዋን ድማ፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ካምቻ ሰሪቕካ ተባሂሉ ተኸሲሱ ይርከብ። ንሱ ንዲፕሎማስኛታት ዝወሃብ ናይ ዘምእሳር መሰል ስለ ዝተጠቐመ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ካልእ ክስጉም ኣይከኣለን። ይኹን'ምበር፡ እታ ቪድዮ ምስ ተዘርግሐት ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሜክሲኮ ተጸዊዑ ነይሩ። ብድሕሪ እዚ'ውን ካብ ዓለም-ለካዊ መዕረፎ ነፈርቲ ቦነስ-ሳይረስ ካምቻ ሰሪቑ ናብ መክሲኮ ክበርር ክብል ተታሒዙ። "ሪካርዶ ቫለሮ ንፉዕ ሰብ እዩ። ኣብዚ እዋን ናይ ስነ-መትኒ ክንክን ይገብር ኣሎ፡ ቀልጢፉ ክሓዊ ድማ ምንዮትና ንገልጸሉ" ክብል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሜክሲኮ ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ። ኣምባሳደር ሪካርዶ ቫለሮ፡ ኣብ 2013 ናይ ሓንጎል ሕበጥ ካብ ዘጋጥሞ ንደሓር፡ ኩነታት ጥዕንኡ ብክኢላታት ሓካይም ክከታል ከም ዝጸንሓ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን። ሺንዞ ኣቤን ኣበበ ቢቂላን- መነመን እዮም? ሺንዞ ኣቤን ኣበበ ቢቂላን- መነመን እዮም? ቀዳማይ ሚኒሰተር ሺንዞ ኣቤ ናብ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ 7 ዓመት ኣቢሉ መጺኡ ነይሩ። ምስ ወዲ ኣበበ ቢቂላ፡ የትናየት ኣበበ ድማ ተራኺቡ።ንሱ፡ ናይ ኣቡኡ ኣበበ ቢቂላ ስእሊ ብውህብቶ ኣቕሪብሉ። ከም ኣገላልፃ ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ንሱ ንኣበበ ቢቂላ ኣይርስዖን እዩ። ኣበበ ቅድሚ 58 ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ጥራይ እግሩ ክጎዪ ከሎ፡ ሺንዞ ንእሽቶ ተምሃራይ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ሽምን ዝናን ኣበበ ቢቂላ ኣብ መላእ ጃፓን ገኒኑ ነይሩ። ሺንዞ ኣቤ፡ መጸውዒ ስሙ ምስ’ቲ ናይቲ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ኣበበ ባቂላ ኣዝዩ ዝቀራረብ እዩ። ‘ኣቤ’ ካብታ ኣብ ሰሜናዊ ጃፓን እትርከብ ደሴት ሆካይዶ ዝዝረብ ቋንቋ ‘ኣይኑ’ ዝመጸ ስም እዩ። ኣብ ጃፓን ልሙድ ስም፡ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዙሓት ቦታታት በዚ ስም ይጽወዑ። በዚ ምኽንያት ድማ: እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስ ህቡብ ኣበበ ቢቂላ ከመሳስልዎ ፈተኑ። መማህርቱ: ኣበበ ኢሎም ድማ ይጽውዕዎ ነበሩ። ኣበበ ቢቂላ ኣብ ውድድር ማራቶን ቶክዮ ጥራይ እግሩ ክዕወት ከሎ፡ ሺንዞ ኣቤ ወዲ 10 ዓመት እዩ ነይሩ። "እንተዀ ግን ዓወት ኣበበ ቢቂላ ልክዕ ከም’ዚ ትማሊ ዝዀነ እየ ዝዝክሮ" ክብል ኣብ’ቲ ቅድሚ 7 ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየደሉ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ። ኣቤ፡ ምስ ስድራን ካልኦት ኣትሌታትን ተራኺቡ። ደራርቱ፣ኢብራሂም ጃይላ፣ ቲኪ ገላናን መስረት ደፋርን ከምዝረኸቡ ኣብቲ እዋን ኤኤፍፒ ሓቢሩ። የትናይት ኣበበ፡ ኣቡኡ ቅድሚ 50 ዓመታት ኣብ ቶክዮ ታሪክ ዝሰርሐላን ናይ መወዳእታ ማራቶን መስመር ክሓልፍን እተርኢ ስእሊ እዩ ንሺንዞ ኣቤ ኣቕሪብሉ። ሺንዞ ኣቤ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ቢቂላ ኣብ ልዕሊ ቶክዮ ዘመዝገቦ ዓወት እናዘከረ ኣውጊዑ። ኣብቲ እዋን፡ ወዲ 10 ዓመት ዝነበረ ሺንዞ ኣቤ፡ ተዘክሮ ቑልዕነቱ እቲ ማራቶን ኣይርሰዖን። ኣበበ ቢቂላ ኣብታሪክ ኦሎምፒክ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብሉፃት ስፖርተኛታት ሓደ እዩ። ሓሙስ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቓልቦአን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣቕኒዐን ነይረን። ካብ ካብ ዓርቢ ንጉሆ ኣትሒ ድማዙ፡ ዓለምና ብቕትለትን ሞትን ሺንዞ ኣቤ ሰንቢዳ ትርከብ። ሺንዞ ኣቤ፡ ካብ ስልጣን ካብ ዝወርድ ነዊሕ ኣቑፂሩ እዩ። እንተዀነ፡ ንሓደ ሕጹይ ላዕለዋይ ባይቶ ጃፓን፡ ጎስጓስ ይገብር ነይሩ። ዝተገብረ መርመራታት ከም ዘረጋገጾ፡ እቲ ጥርጡር ብድሕሪ ኣቤ ደው ኢሉ ዕላሎም ይሰምዕ ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ። ብድሕሪኡ ብሕቖኡ ብጥይት ደጋመጊሙ ተኲሱ፡ ኣቤ ብድሕሪቱ ብየማናይ ክሳዱን ሒቑዑን ተወቒዑ ውንኡ ስሒቱ ወዲቑ። ደም ፈሲስዎ። ነፋሪት መጺአ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፡ ጃፓናውያን ሓካይም መጥባሕቲ ህይወቱ ንምድሓን ዝከኣሎም ኩሉ ገበሩ። ኣይተኽኣለን። ሺንዞ ኣቤ፡ ወዲ 67 ዓመት ኰይኑ ነዛ ዓለም ተሰናቢትዎ። ጃፓን ጽኑዕ ምቁጽጻር ኣጽዋር ዘለዋ ሃገር እያ። እዚ፡ ብኸመይ ክኸውን ከምዝኸኣለ ይሓቱ ኣለዉ። ኣብ 2014 ፡ኣብ ኣመሪካ 33,599 መጥቃዕቲ ጥይት ክፍጸም እንከሎ፡ ኣብ ጃፓን ግን ሽዱሽተ ጥራይ እዩ ኣጋጢሙ። ሓደ ኣጽዋር ሒዙ ክኸይድ ዝፍቀደሉ ጃፓናዊ ሰብ፡ ተሪር ፈተናን ናይ ኣእምሮ ጥዕና መርመራን ክሓልፍ ኣለዎ። ኣብ ጃፓን ፍቓድ ኣጽዋር ክትረክብ ካብ ምፍታን ፡ኣጽዋር ምፍራይ ይቐልል ይበሃል። እንተዀነ፡ ካብ ዝወደቐ ንብረት እውን ኣጽዋር ክስራሕ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ቀታሊ ነቲ መሳርሒ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ገዝኡ ከም ዝሰርሖ ይግለጽ። ፖሊስ፡ ቀታሊ ኣቤ ንምንታይ ነቲ ገበን ፈጺሙ፡ 'ካልእ ተሓባባሪ ኣለዎ ድዩ' ዝብል መርመራ ይገብር ኣሎ። ኣብቲ ገዛ ዝተገብረ ተፍትሽ እውን፡ ኣጽዋር ነታጒ ከምዝተረኽበ ተረጋጊጹ። ፖሊስ፡ ተትሱያ ያማጋሚ ዝተባህለ ወዲ 41 ዓመት ስራሕ ኣልቦ ሰብኣይ፡ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ይገልጽ። እቲ ውልቀሰብ፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ምቕታል ዝደረኸ ምኽንያት ዛጊድ ኣይተነጸረን። ካብ ስልጣን ንክወርድ ምኽንያት ዝዀኖ፡ ዝፈርሖ ዝነበረ ናይ መዓንጣ ቁስሊ ዘይኰነስ፤ ኣብ ገዛ ዝተሰርሐት ጥይት ሒዛቶ ኸይዳ። ዓለም ብፍላይ ድማ ጃፓናውያን ሰንቢዶም። ድሕሪ እቲ ቅትለት፡ "ፖለቲካዊ ቅትለት ዘይኮነስዲሞክራሲ ኢና ንደሊ" ብምባል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወፍሪ ይካየዱ ኣለዉ። ሰሜን ኮርያ ባሊስቲክ ሚሳይል ብልዕሊ ጃፓን ተኲሳ ሰሜን ኮርያ ብልዕሊ ሰሜናዊ ጃፓን ናይ ማእከላይ ርሕቐት ምዃኑ ዝተጠርጠረ ባሊስቲክ ሚሳይል ተኲሳ። እቲ ተግባር፡ መንግስቲ ጃፓን ንነበርቲ ደሴት ሆክያዶ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ክድርኽ እንከሎ፡ ገለ ንጥፈታት መጓዓዝያ ባቡር’ውን ንግዚኡ ክድስክል ገይሩ ነይሩ። ሰሜን ኮርያ ድሕሪ 2017 ብልዕሊ ጃፓን ሚሳይል ክትውንጭፍ እዚ ናይ ሕጂ፡ ናይ ፈለማ እዩ። ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ባሊስቲክን ኑክሌራውን ኣጽዋር ካብ ምፍታን ኣጊድዋ እዩ። መንግስቲ ጃፓን ብሰሉስ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ 07፡29 ቅ.ቐ ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ “ሰሜን ኮርያ ሚሳይል ዝወንጨፈት ይመስል። ብቕልጡፍ ናብ ህንጻታት ወይ መዕቈቢታት ትሕቲ ባይታ እተው” ይብል። እቲ ሚሳይል ካብ ጃፓን ኣስታት 3000 ኪሜ ኣብ ዝርሕቕ ከባቢ ሰላማዊ ውቅያኖስ ከምዝወደቐን ምስኡ ዝተሓሓዝ ዝዀነ ጉድኣት ከምዘይተሓበረን ሰብ መዚ ገሊጾም። ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉምዮ ኪሺዳ ነቲ “ተጻባኢ ባህሪ” ዝበሎ ተግባር ብትሪ ክኹንን እንከሎ፡ መንግስቲ ጃፓን ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ጸጥታ ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ። ምትኳስ እቲ ሚሳይል፡ ኣቓልቦ ናይተን ንመራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ-ኡን ዕሽሽ ኢለን ዘለዋ ኣሜሪካን ጃፓንን ንምርካብ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ተግባር እዩ ዝመስል። ምስ ዝኾነት ሃገር ከይተላዘብካን ኣቐዲምካ መጠንቀቕታ ከይሃብካን ናብ ወይ ብልዕሊ ሓንቲ ሃገር ሚሳይል ምውንጫፍ ምሉእ ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ስምምዕ እዩ። ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር መጥቃዕቲ ምፍጻም ክመስል ስለዝኽእል መብዛሕትአን ሃገራት ኣይመርጽኦን እየን። ኣሜሪካ ብመገዲ ኣብ ምብራቐ እስያ ዝርከብ ዲፕሎማታ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ነቲ ተግባር፡ “ዘጉሂ” ክትብል እያ ገሊጻቶ። ኣብ ፈለማ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጃፓን፡ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ስሉሳዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ እንከለዋ እቲ ተግባር ንፒዮንግያንግ ከምዘቘጥዓ ይግለጽ። ሰሜን ኮርያ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንሓሙሻይ ግዜ እያ ሚሳይል ትውንጭፍ ዘላ። ብቐዳም ክልተ ሮኬት ኣብ ጥቓ ቍጠባዊ ዞባ ጃፓን ዝርከብ ማያት በጺሑ ነይሩ። ዝበዝሐ ፈተነታት ሚሳይል ሰሜን ኮርያ፡ ነፈርቲ ካብ ዝበራሉ ኣብ ዝልዕል ብራኸ እዩ ዝፍጸም። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ሰሜን ኮርያ ንገዛእ ርእሳ ወናኒት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ካብ ዝዀና ሃገራት ዘብላ ሕጊ ክተጽድቕ እንከላ፡ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ንምእላይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝምልከት ዝርርባት ከካይድ ድልየት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ። ፒዮንግያንግ ካብ 2006 ክሳዕ 2017 ኣብ ዘለው ዓመታት ሽዱሽተ ኑክሌራዊ ፈተነታት ኣካይዳ፤ ብሰንኩ ከኣ ብዙሕ እገዳታት ተነቢሩላ ይርከብ። ጃፓን፡ ቍጠባኣ ንምዕባይ መንእሰያት ኣልኮል ክሰትዩ ትምሕጸን መንእሰያት ጃፓን ኣልኮላዊ መስተ ኣየዘውትሩን፤ ሰብ መዚ ድማ ነዚ ንምቕያር ወፍሪ ጀሚሮም ኣለዉ። ምስ ወለዶም እንክነጻጸር፡ ጃፓናውያን መንእሰያት ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ከምዘይወስዱ እዩ ዝንገር። እዚ ድማ ንከም ካብ ሩዝ ዝስራሕ ሳካ ዝተባህለ ነቢት ዝርከብ ቀረጽ ኣጕዲልዎ። “ሳካ ቪቫ!” ዝብል ወፍሪ ምስታይ ኣልኮል ሰሓቢ ንምግባርን ቍጠባ ኢንዱስትሪ መስተ ንምዕባይን ዝዓለመ እዩ። ካብ 20 ክሳብ 39 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝሳተፉሉ እዚ ውድድር፡ መንእሰያት ክሰትዩ ዘለዓዕል ናይ ንግዲ ሓሳብ ከቕርቡ ዝጠልብ ኰይኑ ኣብ መስተታት ሳካ፡ ሾቹ፡ ዊስኪ፡ ቢራ ወይ ነቢት ዘተኮረ እዩ። ተወዳደርቲ ናይ ምውዕዋዕ፡ ብራንዲንን ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝሓወሱ ትልሚታትን ከቕርቡ ትጽቢት ይግበረሎም። መራኸቢ ብዙሃን ጃፓን ከምዝሓበራኦ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ስምዒታት ፈጢሩ ኣሎ፤ ገለ ሰባት ዘይጥዑይ ልምዲ ዘማዕብል እዩ ብምባል ክቃወምዎ እንከለዉ ካልኦት ድማ ዘዘናግዑ ሓሳባት እናልዓሉ የወዓውዕዎ ኣለዉ። ተወዳደርቲ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ሓሳቦም ከቕርቡ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ እቶም ዝበለጹ ሓሳባት ቅድሚ ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ናይ መወዳእታ ውድድር ምስግጋሮም ብሰብ ሞያ ተሓጊዞም ክምዕብሉ ክግበር እዩ። ዕዳጋ ኣልኮል ጃፓን ካብ እዋን ናብ እዋን እናደኸመ ይመጽእ ከምዘሎ ዝገልጽ ናይቲ ወፍሪ ድሕረ ገጽ፡ ዝበዝሕ ህዝቢ እታ ሃገር ዕድመ ዝደፍአ ምዃኑን ትሑት መጠን ወሊድን ከም ምኽንያት የልዕል። ትካል ምእካብ ግብሪ ጃፓን ከምዝሕብሮ፡ ጃፓናውያን ምስ 2020 እንትነጻጸር ኣብ 1995 ዝበዝሐ መጠን ኣልኮል ይሰትዩ ነይሮም። ብተመሳሳሊ ካብ ኣልኮል ዝርከብ ግብሪ ዝቐነሰ ኰይኑ፡ ኣብ 1980 ካብ ጠቕላላ ኣታዊ 5 ሚእታዊት ዝሽፍን ዝነበረ ግብሪ ኣብ 2020 ናብ 1.7 ሚእታዊት ወሪዱ። ካብ ብዝሒ ህዝቢ ጃፓን 29 ሚእታዊት ልዕሊ 65 ዓመት ከምዝዀነ ጸብጻብ ባንኪ ዓለም ዘመልክት ኰይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ መጠን እዩ። እታ ሃገር ኣብ ገለ ዓውዲታት ዘሎ ሕጽረት መንእሰያትን ምሕብሓብ ኣረጋውያንን ሻቕሎት ፈጢሩላ ኣሎ። ኣብ ቶክዮ ኦሎምፒክ 2020 ትጽቢት ዝግበረሉ ንሕንሕ ለተሰንበትን ሲፈንን ብናይ ክልተ መዓልታት ኣፈላላይ ክብረ ወሰን ዓለም ከመሓይሻ ዝኽኣላ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይን ሲፈን ሓሰንን ዳግም ኣብቲ ዓብዪ መድረኽ ኣትሌቲክስ ዝኾነ ኦሎምፒክ ቶክዮ ን10 ሽሕ ሜትሮ ክነሓንሓ እየን። እዘን ኣትሌታት ኣብዚ መድረኽ ንኻልኣይ ግዜ’የን ዝራኸባ ዘለዋ። ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ናይ ዓለም ክብረወሰን ብምምሕያሽ ሜዳሊያ ወርቂ ዝወሰደት ኣልማዝ ኣያናን ኣብቲ እዋን ተነሓናሒት ዝነበረት ቪቪያን ቺርዮትን ኣብቲ ኦሎምፒክ ተሳተፍቲ ስለ ዘይኮና፡ መጻኢ ቀዳም ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍጻመ 10 ሽሕ ሜትሮ እቲ ሜዳሊያ ወርቂ ካብ ለተሰንበት ግደይ ወይ’ውን ሲፈን ከም ዘይወጽእ ትጽቢት ይግበር። ኣብዚ ውድድር ካልኦት ኣብ መሐለውታ ዘለዋ ተወዳደርቲ ጽጌ ገብረሰላማን ጸሃይ ገመቹን ንኢትዮጵያ ክውክላ እየን፤ ኬንያዊት ሄለን ኦቢሪ’ውን ሓንቲ ካብኣተን እያ። ኣትሌታት ለተሰንበትን ሲፈንን፡ ብ2019 ኣብ ቀጠር ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ሻምናይ ኦሎምፒክ ኣትሌቲክ ዝተራኸባ ኮይነን፡ ሲፈን ወርቂ ክትወስድ እንከላ ለተሰንበት ካልኣይቲ ኮይና። ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሳተፈሎም ውድድራት፡ ኔዘርላንዳዊት [ትውልደ ኢትዮጵያዊት] ቀንዲ ተነሓናሒት ምዃና ገሊጹ። ሲፈን ብ1500 ሜትሮ፣ 5ሽሕን 10 ሽሕን ወርቂ ሜዳሊያ ንምውሳድ ኒሕ ሒዛ ኣላ። ኣብ ናይ 5ሽሕ ሜትሮ ውድድር እቲ ባህጋ ከተዐውት እንከላ፡ ኣብ መጻረዪ ውድድር 1500ሜትሮ’ውን ሓሊፋ። ብዙሕ ልምዲ ዘጥረየት ጓል 28 ዓመት ሲፈን ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ታሪኽ ክትሰርሕ መደብ ኣለዋ። ብኻልእ ወገን ጓል 23 ዓመት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ውድድር ኦሎምፒክ ናይ መጀመርትኣ’ኳ እንተኾነ ሕጂ ዘለዋ ቑመና ኣብ ግምት ብምእታው ክትዕወት ከም እትኽእል ብዙሓት ግምቶም ይህቡ። ብ1992 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ኣብ ኦሎምፒክ ባርሴሎና ዝተሳተፈት ጓል 23 ዓመት መንእሰይ ዝነበረት ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ብ10 ሽሕ ሜትሮ ወርቂ ረኺባ ነይራ። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት’ውን ኣብ ኦሎምፒክ ሲድኒ ተመሳሳሊ ዓወት ኣመዝጊባ እያ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ንለተሰንበት ዓብዪ ድጋፍ ትገብረላ ኣላ። “ክልቲኤን ኢትዮጵያውያን’የን፤ ከም ዜጋ ግን ለተሰንበት ክትዕወት ትጽቢት ንገብር። ንለተሰንበት ኢና ንድግፍ። ሲፈን’ውን ናትና ስለ ዝኾነት ግን ንሕበነላ ኢና” ትብል። ለተሰንበት ግደይ፡ ተምሃሪት እናሃለወት ኣብ ናይ ስፖርት ክፍለ ጊዜ ‘ኣይጎይን’ ብምባላ መምህራ ወላዲ ከተምጽእ ሓቲቱዋ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ ለተሰንበት ብጉያ ኣብ ካልእ ዓለም እያ ዘላ። ናይዚ እዋን ክብረ ወሰን 10 ሽሕ ሜትሮ ወኒናቶ’ያ። ሲፈን ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ብ1500ን 10 ሽሕን ሜትሮ ክልተ ወርቂ ብምውሳድ ታሪኽ ሰሪሓ ነይራ። እዛ ንኔዘርላንድስ እትጎዪ ኣትሌት ኣብ ኦሎምፒክ ምስታፍ ፋልማያ ኣይኮነን። ኣብ ሪዮ አፐሎምፒክ ብ800 ሜትሮ ውድድር 5ይ ደረጃ ሒዛ ወዲኣ። መጻኢ ቐዳም ኣብ ዝካየድ ውድድር፡ ለተሰንበት ብ10 ሜትሮ ንኢትዮጵያ ከተጸውዕ ትጽቢት ተገይሩላ ኣሎ፤ ሲፈን ድማ ኣብ ሓደ መድረኽ ኦሎምፒክ ሰለስተ ወርቂ ናይ ምርካብ ሕልማ ክተዐውት ክትጎዪ’ያ። “እወ የተሓሳስበና’ዩ፤ ኣይኮነን ኣብ ዓለም ቑጽሪ ሓደ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣትሌት ንኻልእ’ውን ክንንዕቖ የብልናን። ስለዚ ጥንቃቐ የድሊ’ዩ። ለተሰንበት እኹል ውድድር ገይራ’ያ፣ ጥዕንኣ ጽቡቕ’ዩ፣ ኣእምሮኣዊ ድልውነታ’ውን ጽቡቕ’ዩ፤ ኣቐዲምና ብዝግባእ ክትዳሎ ገይርና ኢና” ትብል ደራርቱ ቱሉ። ንሻድሻይ ጊዜ ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፍ ዘሎን ብዋናነት ንለተሰንበት ዘሰልጥንን ኣሰልጣኒ ኮማንደር ሑሴን ሸቦ፡ ብዓቕማ’ኳ እንተዘይተጠራጠረ ሲፈን ጠንካራ ተነሓናሒት ከም እትኾና ይኣምን። “ኣብ 5 ሽሕን 10 ሽሕን ብዘለዋ ልምዲ [ሲፈን] ጠንካራ ተነሓናሒት ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢሉ። ብኻልእ ወገን ሲፈን ኣብ መወዳእታ ዙርያ ብፍጥነት ናይ ምጉያይ ልምዲ ከም ዘለዋ ይዛረብ። “ሲፈን ኣብ ናይ ወመዳእታ ውድድር ካብ ለተሰንበት ዝበለጸ ፍጥነት’ዩ ዘለዋ። ከም ታክቲክ ግን ለተሰንበት፡ ንሲፈን ከየርሓቐት እቲ ውድድር ክልተ ዙርያ ክሳብ ዝተርፎ ብማዕረ እንተጎየን ሲፈን ክትፍተን ትኽእል’ያ” ኢሉ። ኣብ ጃፓን፡ ሰባት ካብዛ ዓለም ንክስወሩ ዝሕግዛ ትካላት ኣብ መላእ ዓለም፡ ካብ ኣመሪካ ክሳብ ጀርመን፡ ካብ ዓባይ-ብሪጣንያ ክሳብ ስፔን፡ ሰባት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ገዛእ ህይወቶም ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣሰር፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ይነፍጹ። ቤተሰቦምን መቕርቦምን "ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ" ብምባል ደሃይ ፍቱዋቶም ክፈልጡ ላዕልን ታሕትን ይብሉ። ገሊኦም ፍርቂ ለይቲ ብድድ ኢሎም፡ ካብ ገዛውቶም፡ ስርሖምን ስድራ ቤቶምን ጠፊኦም ንድሕሪት ገጾም ከይጠመቱ ካልኣይ ህይወት ክጅምሩ መገዲ ይጸርጉ። ከምዚኦም ዓይነት ሰባት ኣብ ጃፓን "ጆሃትሱ" ተባሂሎም ይጽውዑ። እታ "ጆሃት" እትብል ቃል ከኣ ብቋንቋ ጃፓን "ምህፋፍ" ማለት እያ። ኪንኡ ከኣ እዛ ቃል፡ ነቶም ብዕላማ ካብ ከባቢኦም ተሰዊሮም ገሊኦም ንዓመታት፡ ካልኦት ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሰቦም ተሰዊሮም ዝጠፍኡ እያ ትውክል። "ምስ ሰባት ዝነበረኒ ዘይሕጉስ ርክብ ስለዘበሳጨወኒ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ባልጃይ ሒዘ ተሰዊረ ዳርጋ ህድማ እዩ" ይብል፡ ኣብዚ ታሪኽ'ዚ "ሱጕሞቶ" ብዝብል ስም ዝተጸውዐ ወዲ 42 ዓመት መንእሰይ። እቲ መንእሰይ፡ ኣብታ ንእሽቶ ከተማኡ ፍሉጥን ንንግዳዊ ትካል ስድራ ቤቱ ክትክእ ይኽእል እዩ ዝብል ዝነበረ ትጽቢት ተጽዕኖ ስለዝፈጠረሉ፡ ንማንም ሰብ ከይነገረ ሃንደበት ካብ ቤቱ ወጺኡ ተሰዊሩ። ከም ጃህዋቱ ዝኣመሰላ፡ መዋጽኦ ብዘይብሉ ዕዳን ፍቕሪ ኣልቦ መርዓን ክስወራ ዝመርጻ እውን ኣለዋ። ዓይነት ምኽንያታቶም ብዘየገድስ፡ ኣብ ከውታ ለይታ ክስወሩ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት ኣለው። ኩሎም ከኣ ናብቶም ንክስወሩ ዝሕግዘኦምን ምስጢራቶም ዓቂበን ዝሸርበኦምን ትካላት ይኸዱ። እተን ትካላት ነቶም ክስወሩ ዝደልዩ ሰባት ዝሕብኡሉ ምስጢራዊ ቦታታት የዳልዋሎም። ገሊኡ ልክዕ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከም ምእታው፡ ሓድሽ ስራሕ ምርካብ ወይ ሓዲሽ ሓዳር ከም ምምስራት፡ ዓይነት ኮይኑ ንኣዎንታዊ ነገር ዝግበር ምግዕዓዝ ክውሰድ ይከኣል እዩ። ግን ከኣ ካልእ ዘሕዝን ገጽ ዘለዎ ንክትስወር ዝደፍእ ከም ልቓሕን ዕዳን ካብ ዩኒቨርሲቲ ምውዳቕ፡ ካብ ስራሕ ምውጻእን ምስንባትን ካብ ዘሳቕየካ ሰብ ምህዳምን ዝኣመሰለ ድርኺት እውን ከምዘሎ፡ ኣብ እዋን ቁጠባዊ ዝቕባበ ጃፓን ነዚ ናይ ምስዋር ትካል ዘቖመ ሾ ሃቶሪ ይዛረብ። ኣብ ፈለማ፡ ሰባት ካብቲ ሽግር ዝመልኦ ቁጠባዊ ህይወቶም ንክሃድሙ ከም ዝደልዩ ጥራሕ እዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ዳሕራይ ግን፡ ሰባት "ብማሕበራዊ ምኽንያታት" እውን ክስወሩ ከምዝደልዩ ፈሊጠ፡ ካልእ ዕድልን ህይወትን ንክፍትኑ ክሕግዞም ጀሚረ ይብል። ብዛዕባ እዚ ምስዋር ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዘጽነዐ ተመራማሪ ስነ- ማሕበረሰብ ሂሮኪ ናካሞሪ፡ እታ 'ጆሃቱ' እትብል ቃል፡ ነቶም ኣብ 60ታት ዝስወሩ ዝነበሩ ሰባት ንምምልካት ይጥቀሙላ ከምዝነበሩ ይገልጽ ። ኣብ ጃፓን ናይ ፍትሕ መጠን ኣዝዩ ትሑት እዩ። ስለዚ፡ ገሊኦም ሰባት ነቲ ወግዓዊ መስርሕ ፍትሕ ክንዲ ዝኸዱዎ፡ ካብ መጻምድቶም ብቐሊሉ ክርሕቑን ክእለዩን ይኽእሉ። "ኣብ ጃፓን ስቕ ኢልካ ክትስወር ትኽእል ኢኻ። ንሱ ከኣ ይቐልል" ይብል ናካሞሪ። ኣብ ጃፓን "ስትረት" ሓያል ሓለዋ እዩ ዝግበረሉ። ዝተሰወሩ ሰባት ንማንም ወገን ከይተቓልዑ ካብ ዝኾነ ኩርናዕ እታ ሃገር ካብ ባንክ ገንዘብ ከውጽኡ ይኽእሉ። ንገበን ዝምልከት ዝኾነ ሓደጋ እንተዘይሃልዩን፡ እቶም ዝስወሩ "ነብሰይ ክቐትል እየ" ዝብል ጽሑፍ እንተዘይገዲፎምን፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ሃለዋቶም ንከረጋግጹ ናይ ሲሲ-ቲቪ ምስሊ ክሓቱ ኣይክእሉን እዮም። ትካላት ጸጥታ ኮነ ፖሊስ ጣልቃ ኣይኣቱን እዩ። ስለዚ እቶም ኣባላት ስድራ ቤት ንሓደ ናይ ብሕቲ መርማሪ ብዙሕ ገንዘብ ክኸፍሉ ስለዝግደዱ ዝኾነ ክሳብ ዝኸውን ትም ኢሎም ክጽበዩ እዮም ዝመርጹ። እቲ ምስዋር ነቶም ብድሕሪት ዝተርፉ ፍቱዋትን፡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ምስተሰወሩን ዘጋጠሞም ጸገም ገሊኡ ክጽወር ኣይክእልን እዩ። ሓንቲ ስማ ክዕቀብ ዝመረጸት ወዲ 22 ዓመት ውላዳ ዝተሰወራን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ዘይረኸበትን ኣደ " እቲ ነገር ምስ ኮነ ከቢድ ስምባደ ሰምቢደ" ትብል። ክሳብ ሕጂ እውን ንውላዳ ኣይረኸበቶን። "ክልተ ሳዕ ስርሑ ስለዘቋረጸ፡ ብሰንኪ ፍሽለቱ ተረቢሹ እዩ ዝኸውን" ብማለት ናብቲ ዝነብረሉ ቦታ ብመኪና ከይዳ ነቲ ቦታ ፈቲሻቶ። ብድሕሪኡ እውን ደሃይ እንተገበረ ብምባል ንመዓልታት ኣብ መኪናኣ እናደቀሰት ተጸብያቶ። ግን ኣይተመልሰን ክሳብ ሕጂ ከኣ ደሃዩ የብላን። ንሳ ንፖሊስ እኳ እንተሓተተት ርእሰ-ቅትለት ክፍጸም ከም ዝኽእል እንተዘይጠርጢሮም ክገብሩዎ ዝኽእሉ ነገር ከምዘየሎን ክትጽበ ጥራሕ ከምዘለዋን ሓቢሮምዋ። " ብዛዕባ ምዕቃብ ሓበሬታ ኣዘራራቢ ጉዳይ ከም ዝኾነ ተዲኡኒ ኣሎ። ብሰንኪ ምዕቃብ ምስጢር፡ ገበነኛታትን ዘይሕጋውያን ኣደናገርትን ከምኡ እውን ኣባላት ስድራን ደሃይ ፍቱዋቶም ክረኽቡ ዘይክእልሉ ኣገባብ ኣይርድኣንን እዩ ትብል። "በዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ መሰረት ብዘይ ገንዘብ፡ ደሃይ ውሉደይ ክረክብ ኣይክእልን እዩ። እታ ሓንቲ ክገብራ ዝኽእል ወደይ ሞይቱ ከይከውን ኣብ እንዳ መዕቆብ ሬሳታት ከይደ ቸክ ምግባር እዩ" ትብል። እቶም ዝጠፍኡ እውን ንባዕሎም ድሕሪ ቁሩብ ኣብ ከቢድ ጓህን ጣዕሳን እዮም ዝወድቁ። እቲ ኣብ ንእሽቶ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ደቁን ሓዳሩን ገዲፉ ዝተሰወረ ሱጊሙቶ ዝስሙ ነጋዳይ፡ ብዝገበርኩዎ ጌጋ ኩሉ ሳዕ እየ ዝሓዝን ይብል። " ን[ደቀይ] ንዓመት ምሉእ ኣይረኣኹዎምን ። ብስራሕ ንግዲ ኣርሒቐ ከምዘለኹ እየ ነጊረዮም። " ሓዲግዎም ብምኻዱ ኣዝዩ ይጠዓስ። ንሱ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ቶክዮ ኣብ ዝርከብ ናይ መንበሪ ገዛ ተኻርዩ ይነብር ኣሎ ። እቲ ንኽስወር ዝሓገዞ ካምፓኒ፡ ናይ ሓንቲ ሲታ ዝተባህለት፡ ቅድሚ 17 ዓመታት ንባዕላ ጠፊኣ ዝተሰወረት ቤት እዩ ኣካርዩዎ። ንሳ፡ ኣብ ጾታዊ ዝምድናኣ ኣካላዊ ማህሰይቲ ምስ ኣጋጠማ ክሳብ ሕጂ ጠፊኣ ተሰዊራ ኣላ። "ሕጂ እውን ተሰዊረ እየ ዘለኹ። እተፈላለዩ ዓይነት ዓማዊል ኣለውኒ። ገሊኦም ኣብ ገዛ ካብ ዝፍጸም ከቢድ ዓመጽ ወይ ካብ ጾታዊ ግህሰትን ጾታዊ ርክብን ዝሃድሙ። ገሊኦም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ጥራይ ዝሓስቡ እውን ኣለው። ኣይፈርደሎን እየ ። 'ጕዳዮም ባዕሎም እዮም ዝፈልጡዎ። ኵሉ ሰብ ነናቱ ቃልሲ ኣለዎ" ትብል። ኩባንያኣ፡ ንከም ሱጊሞቶ ዝኣመሰሉ ሰባት ጸገሞም ተቓሊሶም ንኽስዕሩዎን ክፈትሑዎን ሓጊዙዎም እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ሰባት ዋላ እኳ እንተተሰወሩ፡ ታሪኾም ግን ብኡ ኣቢሉ ተረሲዑ ማለት ኣይኮነን። ሱጊሚቶ " እቲ ሓቂ ወዲ 13 ዓመት ወደይ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። እተን ክርስዐን ዘይክእል ቃላት፡ 'ኣቦይ ዝወሰኖ ነገር ንዕኡ ይምልከት ክቕይሮ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን" ኢሉ። ካባይ ንላዕሊ ንሱ እዩ ብሱል። ኣይኮነን ድዩ? ብሉጻት 10 መገዲ ኣየራት ዓለም ኣየኖት እዮም? ስካይትራክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ፡ ናይዚ እዋን ብሉፃት ዝበሎም መገድታት ኣየር ወግዓዊ ጌሩ። ኣብ ኢንዱስትሪ ኣቪዬሽን ዓብይ ግምት ካብ ሞንጎ ዝወሃቦም ሓደ ዝኾነ ሽልማት ስካይትራክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ፡ ኣብ 2021፡ ኳታር ኤይርዌይስ ብሉፅ መገዲ ኣየር ዓለም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ። ስካይትራክስ ኣብቶም ዝሓለፉ 23 ኣዋርሕ ካብ 13 ሚልየን ገየሽቲ ኣኪበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ መሰረት፡ ካብ ኳታር ኤየርዌይስ ቀፂሉ፡ ኣብቲ ትማሊ ወግዓዊ ዝኾነ ስካይትራክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ፡ ካብቶም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ዝተፀርሑ መገዲ ኣየራት ብተወሳኺ፡ መገዲ ኣየር ካቲ ፓሲፊክ፣ ኢቫ ኤይር፣ መገዲ ኣየር ካንታስ፣ መገዲ ኣየር ሃይናን፣ መገዲ ኣየር ፈረንሳይ ብሉፃት መገዲ ኣየር ተባሂሎም ክሳብ ዓስራይ ደረጃ ተሰሪዖም ኣለዉ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት፡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበሮ ሸውዓተ ደረጃታት ብምምሕያሽ፡ ኣብ መበል 37 ደረጃ ተሰሪዑ። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከቡ ካልኦት መገድታት ኣየር፡ መገዲ ኣየር ኬንያ ኣብ መበል 79፣ ናይ ሞሮኮ ሮያል ኤይር ማሮክ ኣብ 81፣ ኤይር ሞሪሺየስ ድማ ኣብ መበል 82 ደረጃ ተሰሪዖም ኣለዉ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሉፅ መገዲ ኣየር ኣፍሪቃ ተባሂሉ ብስካይትራክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ ተሸሊሙ። ካብዚ ብተወሳኺ እቲ መገዲ ኣየር፡ ብሰለስተ ዘፈራት ኣህጉራዊ መገዲ ኣየር ተባሂሉ። እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ኣፍሪቃ ብቢዝነስን ኢኮኖሚን ክላስ ብሉፅ ተባሂሉ ተሸሊሙ። ኣብ ኣፍሪቃ ብሉፅ ካቢን ክሩ (ሰራሕተኛታት በረራ) ዝሓዘ መገዲ ኣየር ተባሂሉ፡ ሽልማት ስካይትሬክስ ዎርልድ ኤየርላይን ወሲዱ። ነቲ ሽልማት ስዒቡ ዋና ስራሕ ኣካያዲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተወልደ ገ/ማርያም፡ እቲ ትካል ሽልማት ስካይትራክስ ምርካቡ፡ እቲ መገዲ ኣየር ንገያሾ ዓለምለኸ ደረጃ ዝሓለወ ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ዘረጋግፅ'ዩ ኢሉ። " . . . ሽልማት ስካይትራክስ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ትኽክለኛ ኣንፈት የምርሕ ከምዘሎ ዘርእይ'ዩ፡ በዚ ድማ ብዓሙቕ ኩርዓት ነዞም ሽልማታት ክንቅበል ኢና" ኢሉ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ስሙ ዝለዓል ዘሎ ኾይኑ፡ ኣጽዋራት ውግእ ኣጓዓዒዙ’ዩ ክብል ሲኤንኤን ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ዘካተተ ጸብጻብ ምውጽኡ ይዝከር። እቲ መገዲ ኣየር ብወገኑ ነቲ ክሲ ነጺጉዎ። ስካይትራክስ ንፈረንሳዊ መገዲ ኣየር ኤየር ፍራንስ፡ ናይ ኣውሮጳ ብሉፅ መገዲ ኣየር ክብል ሓርይዎ። ናይ ብሪጣንያ ብሪቲሽ ኤይርዌየስን ናይ ጀርመን ሉፍታንዛን ድማ ካብ ኤይር ፍራንስ ቀፂሎም ብሉፃት መገድታት ኣየር ኣውሮጳ ተባሂሎም። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዘለዉ መገድታት ኣየር ድማ፡ ኣሜሪካዊ መገዲ ኣየር ዴልታ ቀዳማይ እንትኾን፡ መገዲ ኣየር ጄትብሉን ኤይር ካናዳን ከኣ፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃታት ተሰሪዖም። መገዲ ኣየር ኳታር ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ካብ ዝርከቡ መገድታት ኣየር ብሉፅ ዝተብሃለ እንትኾን፡ ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትስ፣ ኤሜሬትስን መገዲ ኣየር ኢትሃድን፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ተሰሪዖም። ስካይትሬክስ ዎርልድ ኤይርላይን ኣዋርድስ ብዝተፈላለዩ ዘርፍታት እዩ ሽልማት ዝህብ። ካብ ሞንጎ እዚኦም ብሉፅ ፅሩይ መገዲ ኣየር፣ ብሉፅ ካቢን ክሩን (ሰራሕተኛታት በረራ) ብሉፅ ቢዝነስ ክላስ ዝብሉ ዘርፍታት ይርከብዎ። ስካይትሬክስ፡ ካብ መስከረም 2019 ክሳብ ሓምለ 2021 ኣብ ዘለዉ 23 ኣዋርሕ፡ ኣብ 13 ነጥቢ 42 ሚሊየን ገያሾ ብመሰረት ዘካየዶ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ'ዩ፡ ብዝተፈላለዩ ዘርፍታት ብሉፃት መገድታታት ኣየር ዓለም ሓርዩ። ኣብቲ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ልዕሊ 100 ዜግነት ዘለዎም ሰባት ከምዝተሳተፉ ዝገልፅ ስካይትሬክስ፡ ኣብቲ መፅናዕቲ ልዕሊ 350 መገድታት ኣየር ከምዝተሳተፉ ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብቲ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ንዝተሳተፉ ሰባት ገንዘብ ኣይኸፍልን። ትካል ኣትሌቲክስ ዓለም ናይ ለተሰንበት ግደይ ክብረወሰን ኣፅዲቑ ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ክልተ መዓልቲ ኣፈላላይ ውሽጢ ብልዕሊ 15 ካሊእት ተመሓይሹ፡ ኣብ ኢድ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ዝኣተወ ክብረ ወሰን ፀዲቑ። ላዕለዋይ ኣካል ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ውድድር ኦሎምፒክ ቶኪዮ ምስተጀመረ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ብኢትዮጵያዊት ኣልማዝ ኣያና ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን 10 ሽሕ ሜትር፡ ብኽልተ ኣትሌታት ብተኸታታሊ ከምዝተሰበረ ኣፅዲቑ። ክብረ ወሰን እቲ ውድድር፡ ፈለማ ብኢትዮጵያዊት፡ ዜግነት ኔዘርላንዳዊት ዝኾነት ሲፋን ሓሰን፡ ኣብ ሄንግሎ ኣብ ወርሒ ሰነ 29/2013 ዓ. ም 29:06.82 ብምጉያይ ብ10 ካሊእት ብምምሕያሽ ነቲ ክብረ ወሰን ዓቲራ ኔራ። እንተኾነ ናይ ሲፋን ክብረወሰን፡ ልዕሊ ክልተ መዓልታት ከይፀንሐ፡ ኣብ ሄንግሎ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ 29:01.03 ብምጉያይ፡ ብሓሙሽተ ካሊእት ብምምሕያሽ ነቲ ክብረወሰን ተቖፃፂራ። ናይ ክልቲአን ተኸታታሊ ክብረወሰን ከየፅደቐ ዝፀንሐ ትካል ኣትሌቲክስ ዓለም ድማ፡ ሕዚ ርሕቐት እቲ ክብረወሰን ኮይኑ ምፅዳቑ ኣብ ድሕረ ገፁ ወግዓዊ ጌሩ ኣሎ። ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 14:06.62 ሰዓት ብምምዝጋብ ክብረወሰን ዓለም 5 ሽሕ ሜትር ዝሰበረት እንክትኾን፡ ኣብ ቀፃሊ ነዚ ሰዓት ካብዚ ንላዕሊ ንምምሕያሽ ከምትፍትን ገሊፃ ኔራ። ኣትሌት ለተሰንበትን ሲፋንን ኣብቲ ኣብ ጃፓን ይካየድ ዘሎ ኦሎምፒክ ዝሳተፋ እንትኾና፡ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ድማ ሜዳልያ ወርቂ ኦሎምፒክ ንምዕታርን ነቲ ክብረወሰን ንንምሕያሽን ክነሓነሓ እየን። ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ክትወዳደር እያ፤ ሲፋን ድማ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ፣ 1500 ሜትርን 5ሽሕ ሜትርን ክትወዳደር እያ። ትካል ኣትሌቲክስ ዓለም፡ ካብ ክብረወሰን ለተሰንበትን ሲፋንን ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ኣትሌቲክስ ንዝነበረ ክብረወሰን ናይ ዘመሓየሹ ኬሊ ሆጅኪንሰንን፣ ግራንት ሆሎዌይን ን ካርስቲን ዋርሆልምን ክብረወሰን ኣፅዲቑ። ኣብ ጃፓን ብሰንኪ ብርቱዕ ህቦቡላ ናይ ጽዕነት መርከብ ምስ ባሕረኛታታ ጠፊኣ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ጃፓን፡ ካብታ 43 ባሕረኛታት ዘለውዋን 6000 ከብቲ ጽዒና እንከላ ዝጠፍአትን ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ሓደ ባሕረኛ ጥራይ ብህይወት ከምዝረኸቡ ገሊጾም። እታ ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ምብራቅ ባሕሪ ቻይና ምስ በጽሐት፡ ማዕበል ህቦቡላ ምስ ኣገጠማ’ያ ናይ ርድኡና መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ። ሓለዋ ባሕሪ ጃፓን፡ ነታ መርከብ ንምርካብ ኣብ ዝገበርዎ ዳህሳስ፡ ሓደ ‘ላይፍ ጃኬት’ ዝገበረ ባሕረኛ ናይታ መርከብ ጥራይ ከምዝረኸቡ’ዮም ገሊጾም። ነታ ዝጠፈአት መርከብ ንምርካብ፡ ብመራኽብን ብነፈርትን ዳህሳስ ዝገብር ዘሎ ሓለዋ ባሕሪ ጃፓን፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃደአ ማዕበልን ብርቱዕ ንፋስን፡ ነቲ መስርሕ ድልያ የተዓናቕፎ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። ኣብታ መርከብ 39 ፍሊፒናውያን፡ ክልተ ደቂ ኒውዝላንድ፡ ክልተ ድማ ኣውስትራልያውያን እዮም ዝሰርሑ ነይሮም። ብመሰረት ካብ ሓለዋ ባሕሪ ጃፓን ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ ብህይወቱ ዝተረኸበ ባሕረኛ ፍሊፒናዊ ከምዝኾነን፡ እታ መርከብ ቅድሚ በቲ ብርቱዕ ማዕበልን ህቦብላን ምጥቃዓ ኣብ ሞተረኣ ጸገማት ኣጋጢምዎ ከምዝበረ እቲ ብህይወት ዝተረኸበ ባሕረኛ ከምዝሓበሮም ገሊጾም። እታ ‘ጋልፍ ላይቭስቶክ 1’ ዝተሰመየት መርከብ፡ 14 ነሓሰ ካብ ኒውዝላንድ ተበጊሳ ናብ ቻይና ተምርሕ ከምዝነበረት ሮይተርስ ንመግለጺ ወጻኢ ጉዳያት ኒውዝላንድ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ። ብሮቡዕ ምሸት ግን፡ እታ መርከብ ኣብ ምብራቃዊ ክፋል ደሴት ኦሻሚ ናይ ጃፖን ምስ በጽሐት፡ ናይ ርድኡኒ መልእኽቲ ናብ ጃፖን ኣመሓላሊፋ። እዛ 139 ሜትሮ ቁመት ዘለዋ ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ኣብ 2002 ዝተሰረሐት ኮይና ናይ ፓናማ ባንዴራ ሰቒላ እያ ትንቀሳቐስ ነይራ። እቲ ኣብ ምብራቅ ባሕሪ ቻይና ዝርኣ ዘሎ ማያስካ ዝተሰመየ ህቦብላ፡ ንብዝሓት ሃገራት እዩ ዘጥቅዕ ዘሎ። ኣብ ጃፓን ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ደሃይ 20 ሰባት ጠፊኡ ኣብ ማእኸላይ ጃፓን ኣብ ሓደ ፍሉጥ መናፈሻ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ሓደጋ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን 20 ሰባት ድማ ድሃዮም ከምዝተሰኣነ ተገሊጹ። ነቶም ዝጠፍኡ ሰባት ንምእላሽ ዓብይ ናይ ምድሓን ወፍሪ ይካይድ ከምዘሎ ከኣ ተሓቢሩ። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ መድሕን ሰብሞያ፡ ሎሚ ንጉሆ ነቶም ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝኾኑ ሰባት ንምድሓን ኣብ ጎኒ እቲ ገደል ንዝነበረ ጭቃ ናይ ምጽራግ ስራሕቲ ኣካይዶም። በቲ ከቢድ ዝናብ ዘስዓበ ናይ ጭቃ ምድህማስ ብዙሓት ገዛውቲ ተወሲዶም። እቲ ሓደጋ ዝተኸሰተላ ከተማ ኣታሚ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልትታት ኣብ ሕሉፍ ወርሒ ሰነ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ከቢድ ዝናብ ኣተኣናጊዳ እያ። እቲ ዝተዳህመሰ ጭቃ፡ ንቑልቁል ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ሺዞኳ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ከምዘንከራረወ ትማሊ ቀዳም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተጠቅዐ ቪድዮ የመልክት። ሓደ ነባራይ እታ ከተማ እቲ ሓደጋ ኣብ ዝተኸሰተሉ ህሞት “ዘፍርሕ ድምጺ” ከምዝሰምዐን እቲ ምድህማስ ፎቖድኡ ይርኣይ ስለዝነበረን ከምዝሃደመ ተዛሪቡ። “እቶም ድሃዮም ዘጥፍኡ ግዳያት ንምድሓን ሕጂ’ውን እቲ ዝናብ ይቕጽል ስለዘሎ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ናይ ምድሓን ወፍርታት ነካይድ ኣለና” ክብል ሓደ ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ንኤኤፍፒ ገሊጹ። ኣብ ጥቓ እቲ ከባቢ እትርከብ ኣውራጃ ካነጋዋ’ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ተሓቢሩ። ኣብታ እምባታት ዝበዝሕዋን ዜጋታታ ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ዝኾነ ከባቢ ዝነብሩላን ሃገረ ጃፓን ናይ መንደራጉሕን ምድህማስን ሓደጋ ልሙድ ከምዝኾነ ኣብ ቶክዮ ወኪል ቢቢሲ ሩፐርት ዊንግፊልድ ገሊጹ። ለውጢ ጸባይ ኩነታት ኣየር እቲ ሓደጋ ተደጋጋምን ኣዕናዋይን ንክኸውን ናይ ባዕሉ ተራ ይጻወት ከምዘሎ መረዳእታታት’ሎ። የሺሃይድ ሱጋ፡ ንጃፓን ክመርሕ ዝተመዘዘ ወዲ ሓረስታይ ገዛኢ ውድብ ጃፓን ሎሚ ንጎሆ ንሺንዞ ኣቤ ዝትክእ መራሒኡ ክመዝዝ እዩ። እቲ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኮይኑ ዝምዘዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ናይ ምዃን ተኽእልኡ ልዑል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ዝነበረ ሺንዞ ኣቤ ምስ ጥዕናዊ ኩነታት ተኣሳሲሩ መገዛ ፍቓዱ ካብ ስልጣን ምውራዱ ዝዝከር እዩ። እቲ ውድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዋና ጸሓፊ እቲ ካቢነ እታ ሃገር ዝኾነ ወዲ 71 ሽማግለ ዮሺሃይድ ሱጋ ከም ዝመዝዝ ዳርጋ ተፈሊጡ እዩ። እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ተተስፍይሉ ዘሎ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣቤ ናይ ቀረባ ዘመድ ከም ዝኾነን ናቱ ኣሰር ተኸቲሉ ናቱ ፖሊሲ ከም ዘቐጽልን እዩ ዝዝረብ ዘሎ። ኣብ 1948 ካብ ሓደ ኣፍራዪ ፍራውለ [ስትሮውቤሪ] ሓረስታይ ዝተወልደ ዮሺሃይድ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብሊልዋ ካብ ዝጸንሐ ጉጅለ ልሂቃን ፍልይ ዝበለ ሰበ ከም ዝኾነ እዩ ዝንገረሉ ዘሎ። ፖለቲካዊ ተሳትፎኡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቐ ኣብ ፓርላመንታዊ መረጻ ዝተገብረ ጎስጓስ ዘርአየ ብቕዓት እዩ ዝጅምር። ካብኡ ድማ፡ ስሩዕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ቅድሚ ምጅማሩ ዋና ጸሓፊ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኮይኑ እዩ ኣገልጊሉ። ኣብ 1987 ኣባል ከቤት ምኽሪ ከተማ ዮኩሃማ፤ ኣብ 1996 ድማ ንመጀመርታ ጊዜ ኣባል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኮይኑ ተመሪጹ። ኣብ 2005 ድማ፡ ሚኒስተር ዲኤታ ውሸጣዊ ጉዳያትን ኮምዩኒኬሽን ኮይኑ ተሸይሙ። ኣብ ዝቕጽል ዓመት ድማ ኣብቲ እዋን ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ሺንዞ ኣቤ ሙሉእ ሚኒስተር ገይሩ ሸይምዎ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቤ ጽቡቕ ርክብ ሒዙ ዝቐጸለ ኾይኑ ኣብ 2012 ዋና ጸሓፊ ካቢነ እታ ሃገር ገይሩ መዚዝዎ። ንዝሓለፈ 8 ዓመታት ድማ የማናይ ኢድ ኮይኑ ናይ ጃፓን ሕልኽልኽ ዝበለ ቢሮክራሲ ብዕዉት መሪሑ ተባሂሉ እዩ ዝንገረሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2019 ጃፓን ሓድሽ መስፍን ናብ ዙፋን ዝመጸአ ኾይኑ እቲ ስርዓተ-ሺመት ዝመርሐ ንሱ ነይሩ። ነቲ ሓድሽ ናብ ዝፋን ዝወጽአ መስፍናዊ ቤተ ሰብ ሃጸይ ናሩሂሮ 'ኣኮይ ረይዋ' ክብል ኣብ ባህሊ ቻይና እቲ ፍትው ዝበሃል ኣጸዋዓ ለጊስዎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሺንዞ ኣቤ ነሐሰ 28 ብምኽንያት ብጥዕናዊ ኩነታት ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ዕላዊ ምስ ገበረ ሹጋ ኣብ 2 መስከረም ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣባላት እቲ ገዛኢ ውድብ ዝኾኑ ጉጅለታት ድማ ድጋፎም ኣርእዮም። ነዚ ስዒቡ ድማ ናይቶም ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣመራርሓ ዘይኮ ሹጋ ኣብ 14 መስከረም ኣቦመንበር እቲ ገዛኢ ሰልፊ [ሊብራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ] ኣቦ መንበር ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። ሹጋ፡ ኣሰር ፖሊሲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣቤ ዝቕጽል ኮይኑ ምክልኻል ሃገር ብዝምልከት ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ክገበር ኣአንፊቱ ኣሎ። ከምኡ ድማ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝጀመሮ ገንዘባዊን መዋቕራዊን ቁጠባ እታ ሃገር ክቕጽለሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ንግዚኡ ግን ቀዳምነት ዝህቦ ዛዕባ ኮቪድ-19ን ቁጠባዊ ማህሰይትን ከም ዝኾነ ተዛሪቡ። ናብ ወርሒ እተሰንዮ መጻምድቲ ዝደሊ ዘሎ ጃፓናዊ ቢልዮነር ጃፓናዊ ቢልዮነር ዮሳኩ ሜዛዋ፡ ኣብ ዙርያ ወርሒ ንምብጻሕ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ እተሰንዮ ጓል-ኣንስተይቲ መጻምድቲ ይደሊ ከምዘሎ ገሊጹ። እዚ ወዲ 44 ዓመት ቢልዮነር፡ ኣብ መንኰርኰር ኮይኑ ንወርሒ ዝጓዓዝ ናይ መጀመርያ ሲቪል ክኸውን እዩ። እቲ ናይ ወርሒ ዑደት ኣብ 2023 ክካየድ ተወጢኑ ከምዘሎ ይግለጽ። ንሱ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝጸሓፎ ምሕጽንታ፡ ነቲ ጉዕዞኡ ምስ 'ፍልይቲ ጓል-ኣንስተይቲ' ኮይኑ ከካይዶ ምዝደሊ ገሊጹ'ሎ። ዮሳኩ ሜዛዋ፡ ምስ መሓዝኡ ዝነበረት ተዋሳኢት ጓል 27 ዓመት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዩ ተፈላልዩ። ንሱ፡ መጻምድቲ ንምርካብ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ክምዝግባ ሓቲቱ'ሎ። "ጽምዋን ባዶነትን ቀስ ብቀስ ክዕብልለኒ ጀሚሩ፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ሓደ ነገር ክሓስብ ኣገዲዱኒ፤ ንሱ ድማ ፍቕሪ እዩ" ክብል ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ጽሒፉ። ብተወሳኺ፡ "ኣነ ናይ ህይወት መጻምድቲ ክረክብ እየ ዝደሊ፡ ምስ ናይ መጻኢ መጻምድተይ ኮይነ ድማ፡ ካብ ክንዮ ጠፈር ፍቕርን ዓለማዊ ሰላምን ክጭርሕ እደሊ" ክብል'ውን ጽሒፉ። እተን መጻምድቱ ክኾና ዝደልያ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ፡ ዘይተመርዓዋ፡ ልዕሊ 20 ዓመት ከምኡ'ውን ምሉእ ተስፋ ዘለወን፤ ንህዋ ክኸዳ ድልየት ዘለወን ክኾና ከምዘለወን ገሊጹ። እቲ ናይ ምዝገባን ውድርድር ግዜ ክሳብ 17 ጥሪ 2020 ክፉት ኮይኑ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ድማ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ክንገር ትጽቢት ይግበረሉ። ቢልዮነር ዮሳኩ ሜዛዋ፡ ከባቢ 3 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ። ካብዚ ዓለማዊ ስግኣት ብተቓራኒ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ 80 ዓመታት እቲ ብዝሒ ህዝቢ ከምዝውስኽ እዩ ዝግመት። ብፍላይ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ፡ኣብ 2100 ብዝሒ ህዝቢ ካብቲ ሕዚ ዘሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ክውስኽ እዩ ተባሂሉ። ብዚ መሰረት፡ ንኣብነት ብዝሒ ህዝቢ ናይጀርያ፡ ድሕሪ 80 ዓመታት 791 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝነብረላን፡ ብበዝሒ ህዝቢ ካብ ዓለም ካልአይቲ ከምእትኸውን እዩ ዝግመት። ማይክሮሶፍት ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራሕ ብምስራሕ 'ኣፍራይነቱ ዓብዩ' ኣብ ጃፓን ዝርከብ ጨንፈር ዓርሞሸሽ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ማይክሮሶፍት፡ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ጥራይ ክሰርሑ ብምግባሩ ኣፍራይነት ሰራሕተኛታቱ ብ40% ከም ዝዓዘዘ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ንመፈተኒ ኣብ ዘተኣታተዎ ኣገባብ፡ እቶም ሰራሕተኛታት መሃያ ከይጎደሎም ኣብ ሰሙን ኣብ ክንዲ ሓሙሽተ ኣርባዕተ መዓልቲ ከም ዝወፍሩ እዩ ገይሩ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ እቲ ትካል ክዕጾ ከሎ፡ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ድማ ከም ዘዕርፉ ተገይሩ። ብዘይካ'ዚ፡ ኣኼባታት ልዕሊ 30 ደቓይቕ ከይዛየዱን፡ ብኣካል ምርኻብ ዘየገድዱ ድማ ብኢንተርነት ክካየዱን ኣተባቢዑ። ጃፓን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝነውሐ ሰዓታት ስራሕ ዘለወን ሃገራት እያ። ኣብ 2017 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘረጋግጾ፡ ከባቢ ርብዒ ካብ ኩባንያታት ጃፓን፡ ኣብ ወርሒ፡ ልዕሊ 80 ተወሳኺ ሰዓታት ዝሰርሑ፡ ግና ዓስቢ ዘይረኽቡ ሰራሕተኛታት ኣለወን። እቲ ብኩባንያ ማይክሮሶፍት ዝተኻየደ ፈተነ ብ92% ሰራሕተኛታቱ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ድሒሩ ዝተገብረ ዳህሳስ ኣነጺሩ። በንጻሩ ዓሊባባ ዝተብሃለ ዓቢይ ቻይናዊ ትካል ዕዳጋ ኢንተርነት፡ ሰራሕተኛታቱ 12 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ፡ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ምስርሖም ሽሻይ ምዃኑ ይገልጽ። ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ 'ብስሙ' ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ነጺጉ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ፡ እቲ 'ህዝቢ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ትግራይ ክኽይድ ኣይደልይን' ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብስሙ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ናቱ ከምዘይኮነ ገሊጹ። "ኣነ ከምኡ ዝብል ነገር ኣይተዛረብኩን፤ ኣይሓሰብኩን፤ ኣይጸሓፍኩን። ሶሻል ሚድያ ብዙሕ ሰብ'ዩ ዝጥቀመሉ። ስለዚ ገሊኦም ዝገብርዎ ዘለዉ ጸዋታ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ። ኣምባሳደር እስቲፋኖስ እቶም ነዚ ዝገብሩ ኣካላት ንምንቅስቓስ ሰላም ናይ ምትእጉጓል ድልየት ዘለዎም ክብል ገሊጽዎም። "ኣብዚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብዚ 'ሪጅን' [ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ] ዝኸይድ ዘሎ ሰላም፤ ማለት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ኤርትራን ሱዳንን፣ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ንዝካየድ ናይ ሰላም ምንቅስቓስ ዝጻብኡ ባእታታት'ዮም" ክብል ኣረዲኡ። ዕላምኦም ነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ከም ዝኾነ ዝዛረብ እቲ ኣምባሳደር "ኣብቲ ዞባና ዘሎ ህዝቢ ንምግጫው ዝፈጥርዎ ስልትታት'ዩ" ኢሉ። ኣብዚ ቕነ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን፡ ኣብ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ትግራይ ኣመልኪቶም ነናቶም ርእይቶ ምሃቦም ይዝከር። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ "ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጎደናታት መቐለ ክዛወር ድልየት ከምዘለዎ ብተደጋጋሚ'ዩ ዝገልጸለይ" ክብል ኣብ ሓደ መድረኽ ተዛሪቡ። ዶክተር ደብረጽዮን ከኣ ነዚ ብዝምልከት ካብ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ክህብ ከሎ፡ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላም ክልትኤን ሃገራት ዝለዓለ ድልየት ከም ዘለዎም ሓቢሩ ነይሩ። መግለጺ ዕውት ስምምዕ ሰላም ክኸውን ዝኽእል ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብነፋሪት ዘይኮነስ ዶባት ተኸፊቶም ብእግሩ (ብመኪና) ናብ ትግራይ ክመጽእ እንተኺኢሉ ምዃኑ'ውን ሓቢሩ። እዚ ክኸውን ከኣ ዶባት ክኽፈቱን ምንቅስቓስ ህዝቢ ክጅመርን ጸዊዑ። ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ነዚ ኣብ መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተወሃበ ሓሳባት 'ናይ ቃላት ጸዋታ' ክብል ይገልጾ። "እዚ ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ብቓላት ዝግበር ጸዋታ ናብ ዝኾነ ይኹን መዓላ ክውዕል ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ። "ብእግሪ ድዩ፤ በኣእዳው ወይ ከኣ ብነፋሪት እናበልካ ዝግበር ጫለዳ ዘረባታት ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ብዙሕ ግዜና ክነጥፍኣሉ ዘለና ጉዳይ'ውን ኣይኮነን። ናይ ሰላም መስርሕ ይኸይድ ስለዘሎ ንዕኡ ትድግፍ'ዶ ኣይትድግፍን'ዩ እቲ ኣርእስቲ" ክብል ገሊጹ። እቲ መስርሕ ሰላም ክዕወት፡ ድልየት ህዝብታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ ከምኡ'ውን ህዝቢ ትግራይ ከም ዝኾነ'ውን ተዛሪቡ። ኣንጻር ኣጉል እምነትን ጽውጽዋያትን ዝቃለስ ዘሎ ህንዳዊ ህንዳዊ ሱያሽ ቶሺንዋል ኣብ ሃገሩ ህንዲ ብብዝሒ ዝርአ ኣብ ጠንቆልቲ ናይ ምእማን ዝንባለታት ስለዘሻቐሎ ኣንጻር ጠንቋሎ ቃልሲ የካይድ ኣሎ። ዕላምኡ ኣብ ህንዲ ብሳይንስን ርትዕን ዝኣምን ማሕበረሰብ ምፍጣር'ዩ። ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ግብፂ ኣድልዎ የጋጥመን ኣሎ ተባሂሉ ኣብ ግብጺ ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ብንግዳዊ ትካላት ኣድልዎ ይግበረለን ከምዘሎ መርመራ ቢቢሲ ዓረብኛ ኣረጋጊጹ። እቲ መርትዖ ነቲ ኣብ ሃይማኖት፣ ጾታ፣ ዓሌት ወይ ማሕበራዊ ደርቢ መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ዝኽልክል ቅዋም ግብጺ ዝጥሕስ እዩ። ካብ 2015 ኣትሒዙ፡ ሒጃብ ዝኽደና ግብጻውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሕዛ ይማረራ ከምዘለዋ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክገልጻ ጸኒሐን እየን። ኣብ ካይሮ ኣካያዲት ስራሕ መጽናዕቲ ኮይና ትሰርሕ ጓል 25 ዓመት ማያር ዑመር፡ ናብ ልዑል ዋጋ ዘለዎም ቤት መግቢ ኣብ ዝኸደትሉ ግዜ ተደጋጋሚ ጸገማት ከምዘጋጠማ ትዛረብ። "ኣብ ሓደ ቦታ ኣቲኻ ዓርስኻ ክትከውን ከም እትኽእል ክትፈልጥ ወይ ዝኾነ ሰብ ገለ ነገር ክትገብር ከምዘየገድደካን ጠንቂ ጸገም ከምዘይኮንካ ክስምዓካ ትደሊ" ትብል። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጉጅለታት ኣነባብራ ሒጃብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብርክት ዝበሉ ቦታታት ሒጃብ ተኸዲነን እንተኾይነን ምእታው ከም ዘይፍቀደለን ዘመልክት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዝንባለ ከምዘሎ ቢቢሲ ዓረብኛ ይሕብር። "ኣብ መብዛሕትኡ እዋን እቲ ቀንዲ ጠንቂ ደርባዊ ምትእስሳር'ዩ" ትብል ጠበቓን ተጣባቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ዝኾነት ናዳ ናሻት። "ስለዚ ከም ላዕለዋይ-ማእከላይ ወይ ላዕለዋይ ደርቢ ክርኣዩ ድልየት ኣብ ዘለዎም ቦታታት ኣብ ልዕሊ ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ኣድልዎ ይፍጸም ኣሎ" ክትብል ተረድእ። ኣስዕብ ኣቢላ "ግን ኣብ ታሕተዋይን ማእከላይን ደርቢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሒጃብ ዘይኽደና ደቂ ኣንስትዮ'ውን ይፍጸም ከምዘሎ ፈሊጥና ኢና" ትብል። ቢቢሲ ዓረብኛ፡ ኣብ መላእ ካይሮ ኣብ ልዕሊ ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ኣድልዎ ከምዝፍጽሙ ብኢንተርነት ኣብ ዝተነቐፉ 15 ብሉጻት ቦታታት ቦታ ከትሕዝ ፈቲኑ ነይሩ። መብዛሕትኦም እቶም ቦታታት ናይ ኩሎም ኣጋይሽ ፕሮፋይል ማሕበራዊ ሚድያ ዝሓተቱ እንትኾኑ እቶም 11 ቦታታት ድማ ርእሲ ምሽፋን ከምዘይፍቀድ ገሊፆም። ብሕቡእ ዝሰርሑ መጻምድቲ፡ ናብ ገለ ካብቶም ሒጃብ ዝለበሳ ደቂ ኣንስትዮ ክኣትዋ ከምዘይፍቀደለን ዝገለጹልና ቦታታት ልኢኽና። ኣብቲ ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዎ ከባቢ ዛማሌክ ዝርከብ ላ ኦበርጂን ዝበሃል ቦታ፡ እቲ ሓላዊ ማዕጾ ብኡንብኡ ነቶም መጻምድቲ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት መስተ ስለዘሎን እዚ ድማ ንሕጃብ ዝለበሳ ደቂ ኣንስትዮ ከሕርቕ ስለዝኽእል፡ ሻሽ ክልኩል ምዃኑ ነጊርዎም። እቲ ሓላፊ እውን "ሻሽ ክልኩል እዩ" ኢሉ ጽኑዕ መርገጺ ሒዙ። እቲ ዝተቐድሐ መርትዖታት ሒዝና ናብ ላ ኦበርጂን ምስቲ ምስ ቀረብና፡ "ቅኑዕዘይኮነ" ከም ዝኾነን፡ ሒጃብ ዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ከይኣትዋ ዝብል ሕጊ ከምዘይብሎምን ብምሕባር፡ ነቲ ፍጻመ "ንኹንኖ" ኢሉ። ወሲኹ’ውን እቲ ቦታ "ኣብ መጻኢ ዝኾነ ምድንጋር ከይፍጠር ንሰራሕተኛታትና ፖሊሲታት እቲ ገዛ ደጊምና ክግንዘቡ ገይርና ኣለና" ኢሉ። ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ፡ ኣብ ካዛን፡ እቶም መጻምድቲ ሕጂ’ውን ብሓላዊ ማዕጾ፡ ክኣትዉ ከምዘይፍቀድ ተነጊርዎምን "እቲ ጸገም እቲ ሻሽ እዩ" ተባሂሎምን። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝኾነ ምስ ተሓተቱ፡ "ሕጊ ናይዚ ገዛ እዩ" ጥራይ ተባሂሎም። ኣብ ሄልዮፖሊስ ኣብ ዝርከብ ኣንዲያሞ ድማ፡ እዞም መጻምድቲ ኣብ መጀመርታ ምእታው ተኸልኪሎም ነይሮም። ደጊሞም ምስሓተቱ ግን፡ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ ግን ከኣ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኮፍ ንክብሉ ተነጊርዎም። እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ "መምርሒ ሚኒስትሪ ቱሪዝም እዩ፡ ኣብዚ ባር ዝኾነት ሂጃብ ዝተኸድነት ጓል ኣንስተይቲ እንተረኺቦም ክቐጽዑና እዮም" ኢልዎም። ካዛን ይኹን ኣንዲያሞ ርእይቶ ክንክህቡ ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን። ቢቢሲ ዓረብኛ ነቲ መርትዖ ንኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ትካላትን ቤት መግብን ቱሪዝም ኣደል ኤል ማስሪ ኣቕሪቡሉ። "ኣብ ዝኾነ ዘመን እቲ ሚኒስትሪ ቱሪዝም፡ ዝተሸፈና ደቂ ኣንስትዮ [ናብ መዘናግዒ ቦታታት] ከይኣትዋ ዝኽልክል ውሳነ ተዋሂቡ ኣይፈልጥን። እዚ ቅቡል ኣይኮነን። ኣድልዎ ተቐባልነት የብሉን፡ እዚኦም ህዝባዊ ቦታታት እዮም" ኢሉ። ቢቢሲ ዓረብኛ፡ ሒጃብ ዝለበሳ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዕረፍቲ ኣፓርታማታት ከይገዝኣ ላ ቪስታ ብዝተባህለ ኩባንያ ህንጸት ይግደባ ከምዘለዋ ዝሕብር መርትዖታት’ውን ኣኪቡ'ዩ። እቲ ኩባንያ ኣብ ካይሮ ፕሮጀክትታት ከምኡ’ውን ልዑል ዋጋ ዘለዎም ሓያሎ ምዕባለታት ገማግም ባሕሪ ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሒጃብ ንዝኽደና ደቂ ኣንስትዮ ይሸይጥ እንተነበረ’ኳ ኣብቲ ዘካየድናዮ መርመራና፡ ላ ቪስታ ግን ፖሊሲኡ ከምዝቐየረን ገደም ከምዘንበረን ዝኸሱ ብዙሓት ጽሑፋት ማሕበራዊ መራኸቢታት ረኺብና ኢና። ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዝነጥፍ ኩባንያ ንቢቢሲ ዓረብኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ላ ቪስታ ንብረት ንምዕዳግ ምስ ሓያሎ ደላሎ ንብረት ከምዝተራኸበን፡ እንተኾነ ግን "ይቕሬታ፡ ላ ቪስታ ኣብ ሒጃብ ዘለዎ ኣረኣእያ ቁሩብ ኣጸጋሚ'ዩ" ከምዝበልዎን ይገልጽ። ቢቢሲ ዓረብኛ ከም ሓደ በዓልቲ ቤቱ ሒጃብ ትኽደን ኣብ ሓደ ፕሮጀክት ገማግም ባሕሪ ላ ቪስታ ገዛ ክዕድግ ዝደለየ ሰብ መሲሉ ምስ ሽዱሽተ ደላሎ ንብረት ተራኺቡ። ግን እቶም ደላሎ ገዛ ምግዛእ ከምዘይከኣል ሓቢሮምና። ሓደ ካብቶም ደላሎ ንቲ ብሕቡእ ዝሰርሕ ሪፖርተርና፡ "ብግልጺ ክነገግረካ ይኽእል ድየ? ብርግጽ ካልእ ኣማራጺ ድለ" ኢልዎ። ካልእ ድማ ካብዚ ሓሊፉ፡ "ብግልጺ ንምዝራብ፡ ንፕሮጀክትታት ሰሜናዊ ገማግም ባሕርን ሶክናን ብዝምልከት፡ ኣድልዎ ይገብሩ እዮም" ኢልዎ። ሓደ ደላላይ እቲ መስርሕ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ገሊጽሉ። "እዚ ገዛ ኣይንሸጠልካን ኣይክብሉን እዮም፡ ግን እዚ ዝመረጽካዮ ገዛ ተሸይጡ እዩ። ካልእ ክህሉ ከሎ ክንድውለልካ ኢና ይብሉኻ። ግን ኣይድውሉልካን እዮም" ክብል ሰንይዎ። እቲ ብሕቡእ ዝሰርሐ ዝነበረ ሪፖርተርና ናብ ላ ቪስታ ደዊሉ በዓልቲ ቤቱ ሒጃብ ከም ትኽደን ምስ ሓበረ፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝሽየጥ ንብረት ከምዘየለን ኣብ መጸበዪ ዝርዝር ከም ዝኣቱን ተነጊርዎ። ድሕሪ ሓያሎ ሰሙናት ናብ ቤት ጽሕፈት ላ ቪስታ ከይዱ፡ ግን በዓልቲ ቤቱ ሒጃብ ከምትኽደን ኣይገለጸን። ብቕጽበት ክዕድጎም ዝኽእሉ ገዛታት ከምዘለዉ ተነጊርዎ። ኣብቲ ከባቢ እንታይ ዓይነት ሰባት ከምዝነብሩ ምስ ሓተተ ድማ እታ ወኪል "እቲ ሓሳብና ኩሎም ሰባት ተመሳሰልቲ ንክኾኑ እዩ" ኢላቶ። ሓደ ካብቶም ከባቢ ላ ቪስታ "ብፍጹም ዝተሸፈና ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይብሉ" ገሊጻትሉ። ላ ቪስታ ርእይቶ ንክህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበን። ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ጎስጓስ ተካይድ ኣባል ባይቶ ግብጺ ኣሚራ ሳብር፡ ከምዚ ዓይነት ኣድልዎ ከምዘይፍቀድ ቅዋም ግብጺ ብንጹር ከምዝገልጽ ትሕብር። "እዚ ዳግማይ ከይፍጸምን ብኸመይ ከነረጋግጽ ከም እንኽእል ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ክዘራረብ እየ። ከምዚ ዓእነት ነገር ዳግማይ እንተተፈጺሙ እቲሰብ ከም ገበነኛ ክቕጻዕ ኣለዎ" ትብል። ፓኪስታን፡ ኣብ ናይ ሓንቲ ነፍሰ ጾር ርእሲ መስማር ዝሸኮዐ ባህላዊ ሓኪም ብፖሊስ ይድለ ኣሎ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ናይ ሓንቲ ጥንስቲ ርእሲ መስማር ዝሸኮዐ ባህላዊ ሓኪም ብፖሊስ ይድለ ኣሎ። እታ ነፍሰ ጾር ነቲ ሓሙሽተ ሳንቲ ሜትር ዝኣክል ናብ ርእሳ በሲዑ ዝኣተወ መስማር ብጉጤት ክተውጸኦ ፈቲና ምስኣበያ እያ ናብ ሆስፒታል ከይዳ። እታ ኣዶ ፈለማ ነቲ መስማር ባዕላ ናብ ርእሳ ከምዘእተወቶ ተዛሪባ ነይራ፤ ዳሕራይ ግን ሓደ እምነት መሰረት ዝገበረ ባህላዊ ሓኪም 'ወዲ ክትወልዲ' ኢሉ ነቲ መስማር ከምዝሰኮዐላ ገሊጻ። ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ዝምርምሮ ዘሎ ኮይኑ፡ ናይ ርእሳ ምስሊ ኤክስ-ረይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተቓሊሑ እዩ። ኣብ ሆስፒታል ሌዲ ሪዲንግ ዝሰርሕ ዶ/ር ሒዳር ከሃን፡ "ውኒኣ ኣይትስሓት እምበር፡ ኣብ ከቢድ ስቓይ እያ ነይራ" ኢሉ። እታ ግዳይ ብዛዕባ እቲ ባህላዊ ሓኪም ካብ ጎረባብታ ምስ ሰመዐት ከምዝኸደቶ ንሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ብምጥቃስ ዳውን ዝተባህለት ጋዜጣ ጸንጺባ። እታ ሰበይቲ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝወለደትን ንራብዓይ ግዘ ጓል እንተወሊዳ ሰብኣያ ገዲፋዋ ከምዝኸይድ ከምዝነገራን እውን ተገሊጹ እዩ። "ናይ ሰለስተ ወርሒ ነፍሰ ጾር እያ፤ በዓል ቤታ ምስ ኣፈራርሓ እያ ናብ ባህላዊ ሓኪም ከይዳ" ክብሉ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ገሊጾም። ኣብ ገለ ካበቢታት ደቡባዊ እስያ ወዲ ምውላድ ተመራጺ እዩ፤ ወዲ ተባዕታይ ዓብዩ ንቤተሰቡ ገንዘብ ከምዘምጽእ እዩ ዝእመን። እዚ ኣተሓሳስባ ብዙሓት እምነት መሰረት ዝገበሩ "ሓካይም" ፈጢሩ እዩ። ኣብ ፓኪስታን ድማ ባህላዊ ሓካይም ብዙሓት እዮም። ገለ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከቡ ባህላዊ ሓካይም ትምህርቲ እስልምና መሰረት ገይሮም እዮም ዝሕክሙ። እንተኾነ እቲ ስረሖም ብብዙሓት ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ዝተወገዘ እዩ። ሓላፊ ፖሊስ ፐሻወር ኣባስ ኣህሳን፡ ፍሉይ ጉጅለ ተጣይሹ እቲ "ሓኪም" ይድለ ከምዘሎ ገሊጹ። ንሱ "እዚ ሓሳዊ ሓኪም ናብ ፍትሒ ክነቕርቦ ኢና።ብህይወት እዛ ሰበይቲ ተላጊጹ እዩ። ብናይ ሓሶት እምነት ኣብ ርእሳ ሚስማር ሰኲዑ እዩ" ኢሉ። ኣብቲ እታ ግዳይ ዝተሓከመትሉ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሓካይም ነቲ ጉዳይ ንምንታይ ናብ ፖሊስ ከምዘየፍለጡ እውን ይሕተቱ ኣለዉ። ፖሊስ ነታ ካብ ርእሳ መስማር ምስ ወጸላ ካብ ሆስፒታል ዝተሰነየት ጥንስቲ ንምርካብ ዝፍትኑ ዘለዉ ኮይኖም፡ ነቲ ባህላዊ ሓኪም ንምርካብ እውን ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለዉ። "ኣብ ቀረባ ኣብ ኢድና ክኣቱ እዩ" ኢሉ እቲ ሓላፊ ፖሊስ። ናይ ኣሽሓት ሰባት ስነስርዓት ቀብሪ ዘፈጸመ ዓብዱ ብዛዕባ ሞት እንታይ ይብል? ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ካብቶም ዘፍርሑን ዘደንግጹን ነገራት ሓደ ሞት እዩ። ሞት ይትረፍ ብተግባር፡ ሽሙ እንትለዓል ብፍርሒ ዝንቅጥቀጡን ዓይኖም ንብዓት ዝመልእን ውሑዳት ኣይኮኑን። ካብ ናይ ባዕሎም ሞት፡ ዝፈትውዎ ሰብ ምስኣን ዘርዕዶም እውን ኣለዉ። ዋላ'ኳ ኣብዚ እዋን ካብ ምብዝሑ ዝተልዓለ ዜና ሞት ዝተለመደ እንተኾነ፡ ሞት ኩሉ ሻብ መሰንበድን ሓዱሽን እዩ። እዚ ድማ ሞት ኣዐርዮም ይፈርሑ ንዝነበሩ ኣጋፋሪ እንደሻው የዘኻኽረና። "ኣጋፋሪ እንደሻው ድኣ መን እዮም?" ዝብል እንተሃልዩ፡ መብዛሕትና ንሞት ዘለና ስምዒት ወኪሎም ኣብ ናይ ደራሲ ስብሓት ገ/ሄር መጽሓፍ ስዋስኡ ገጸ ባህርይ እዮም። እቲ ታሪኽ 'ኣምስት ስድስት ሰባት' ኣብ ዝብል ልበ ወለዳዊ መጽሓፍ ይርከብ። ኣብቲ ታሪኽ ኣጋፋሪ እንደሻው ካብ ሞት ብምህዳም ካብ ሞት ንምትራፍ ዝቃለሱ ገጸ ባህርይ እዮም። ካብ ሞት ግን ከመይ ኢልካ ምምላጥ ይከኣል? ደራሲ ኣዳም ረታ 'እቴሜቴ ሎሚ ሽታ' ኣብ ዝብል መጽሓፉ ንደራሲ ስብሃት ገ/ሄር ብዛዕባ ኣጋፋሪ እንደሻው ብሓሳብ ከዛርቦ ንዕዘብ። ስብሃት ድማ ዝስዕብ ምላሽ ይህቦ። "ናይ ወዲሰብ ስራሕ ካብ ሞት ምህዳም እዩ፤ ስለ ዝኾነ ካብ ሞት ናይ ዝሃድሙ ሰብኣይ ታሪኽ ይጽሕፍ ኣለኹ። ሰብ ንሞት እዩ ተፈጢሩ። መወዳእትኡ ሞት እዩ። ካብ ሞት ንምምላጥ ዝገብሮ ጻዕሪ ይጸሓፍ። ኩሉ ነገር ጻዕሪ እዩ። ሰብ ንሞት ብዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለየ ሜላ ብዓመታት፣ ብሰዓታትን ብደቒቓን የዐሽዎ. . .ስለዚ ኣጋፋሪ እንደሻው ተግባሮም ንመን ይመስል? ንብዙሓት ሰባት ይመስል. . ." ይብል። ነባራይ ከተማ ደሴ ዓብዱ ፋጤ እውን ኣብቲ ዝፍጽሞ ሰናይ ተግባር፤ ሰባት ምስ ሞት ዝገጥሙዎ ቕልስን እምቢታን ርእዩ እዩ። ምስኡ ዝጻወቱ ዝነበሩ፡ ጸወተኦም ከይወድኡ እንትሞቱ ርእዩ እዩ። ምስ ሞት ቆጸሮ ሒዞም "ሎሚ እኳ ኣይወጽእን" ኢሎም ዝተሰናበቱ ኣጋጢሞምዎ እዮም። ብዝወጽእዎ ዝተረፉ እውን ከምኡ። ከምቶም "ሰላም ኣሕድረና" ኢሎም ምስ ደቀሱ ሞት ዝወሰዶም፡ ንባዕሎም ንሞት ኣሕሊፎም ዝሃቡ እውን ኣለዉ። ዓብዱ፡ ኣብ እፋፌት ሞት ብህይወት ንምትራፍ ዝግበር ቃልሲ እውን ርእዩ እዩ። ዓብዱ ንሞት ከም ምውላድ እዩ ዝርእይዮ። ልክዕ እንትንውለድ ሓቢሩና ከምዝተፈጠረ ናይ ህይወት ካልእ ክስተት። ናይ ሞትን ህይወትን ገጽ በብዓይነቱ ተዓዚቡ እዩ። "ሞት ምሳና እዩ ዘሎ፤ መዓዝ ኣብ ልዕሌና ከምዝረክብ ኢና ዘይንፈልጥ እምበር" ይብል። ስለዝኾነ ድማ ከም ኣጋፋሪ እንደሻው ሞት ኣየሰንብዶን። ብርግጽ ዓብዱ ኣዲኡ እንትሞት ኣዐርዩ ሰንቢዱ ነይሩ፤ ብጣዕሚ ሓዚኑ ነይሩ። ምስ ኣዲኡ ዳርጋ ከም ኣዕሩኽ እዮም ዝቀራረቡ ነይሮም። ንዕኡ'ዩ ፋጤ ዝብል ናይ ኣዲኡ መጸውዒ ናብ ሽሙ ለጊቡ። ንኣዲኡ ኣብሊጹ ስለ ዝፈትዋ እዩ ነባራይ እቲ ከባቢ ዓብዱ ፋጤ ኢሉ ዝጽወዖ። ትኽክለኛ ሽሙ ግን ዓብዱ ከማል እዩ። "ንሞት ዘሰምብድ ዝገብሮ ምስቲ መዋቲ ዘለና ቅርበት እዩ" ይብል ዓብዱ። ንዕኡ ድማ ከም ኣዲኡ ኣብሊጹ ዝቐርቦ ኮነ ዝፈትዎ ሰብ ኣይነበረን። ኣዲኡ ምስ ሞተት ግና ሞት ብዙሕ ኣሰንቢዱዎ ኣይፈልጥን። ሞት መዓዝ ከምዝበጽሖ'ኳ እንተዘይፈለጠ "ኩሉሻብ ተዳል እየ ዝጽበዮ" ይብል። ዓብዱ ኣብ ከተማ ደሴ ኣብ ውሽጢ ንእሽቶ ገዛ እዩ ዝነብር። ኣብቲ ከተማ ቀባሪ ዘይብሎም ዝሞቱ ሰባትን ብሓደጋ ይኹን ብኻልእ ወጺኦም ዘይተመለሱ ሰባት ሓመድ ኣዳም ብምልባስ እዩ ዝፍለጡ። ኣብታ ንኡሽቶ ጎጆኡ ሃብትን ንብረትን የብሉን። ቃሬዛ፣ መኹዓትን ሰብ ንምቕባር ዘድልዩ ኣቑሑትን ግን ኩሉሻብ ኣብ ገዝኡ ድሉዋት እዮም። ናይ ኣስከሬናት ሳንዱቕ እውን ናይ ተባዕታይ፣ ኣነስተይቲ፣ ክርስትያን፣ ሙስሊም ፈልዩ ኣዳልዩ የቐምጥ። ነዞም ኣቁሑት ካብ ገበርቲ ሰናይ ብውህብቶ እዩ ዝረኽቦም። ዓብዱ ሙስሊም እኳ እንተኾነ፡ ዝቐብሮም ግን ናይ ካልእ እምነት ተኸታሊ እውን እዮም። ኣብ እምነቶም ዝካየድ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ተማሂሩ እዩ። ናይ ካልኦት እምነት ተኸተልቲ እንትሞቱ ድማ ምስቶም ሰዓብቲ ኮይኑ ይቐብር። ኣብታ ከተማ በዚ ሰናይ ተግባሩ እዩ ዝፍለጥ። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ዝሞቱን ቀባሪ ዘይብሎምን ሰባት እንትርከቡ ሰብ ናብ ቤት ማዘጋጃ ዘይኮነስ ናብኡ እዩ ዝድውል። ካብኡ እስላም ይኹኑ ክርስትያን ኣልዒሉ ብስርዓት ይቐብር። ወዲ 50 ዓመት ዓብዱ ቅድሚ 10 ዓመት እዩ ናብዚ ሰናይ ተግባር ኣትዩ፤ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 1988 ዓ/ም። እቲ ኣጋጣሚ ድማ ናይ ሓደ መሓዝኡ ቀባሪ ምስኣን ነበረ። "ካብ ብሄራዊ ውትድርና ምስ ተመለስና ሓደ መሓዛና ብሓደጋ መኪና ሞይቱ። ዝቐብሮ ስኢኑ። ኣነድማ 'ሓመድ እየ'፡ ከመይ እዚ ሰብ ቀባሪ ይስእን ዝብል ሓዘን ኣትዩኒ" ይብል ኣብቲ እዋን ዘጋጠመ ነገር እናዘከረ። ካብቲ ምሟቱ ቀባሪ ምስኣኑ ኣሕዚንዎ። ኣብቲ እዋን ኣፍልጦ ስነ ስርዓት ቐብሪ ኮነ ንቐብሪ ዘድልዩ መሳርሒታት ኣይነበሮን። በዚ ምኽንያት ናይ መሓዝኡ ሬሳ እንተይተቐበረ ሓዲሩ። ብጽባሒትኡ ከም ዝኾን ተገይሩ ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጸመ። በዚ ኣጋጣሚ እዩ እዚ ናይ ሰናይ ተግባር ንምስራሕ ንባዕሉ ቃል ዝኣተወ። ካብ ሽዑ እዋን ጀሚሩ ስረሐይ ኢሉ ቀባሪ ዝሰኣኑ ሰባት ብወለንተኝነት ኣልዒሉ ይቐብር። ኣብ ሰናይ ተግባር ዝተዋፈሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ተወሲኽዎ "ክሳብ ሕዚ ናይ ልዕሊ 4000 ሰባት ቀብሪ ፈጺመ እየ" ይብል። "ሞት ዘሕዝን እዩ፤ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ከባቢ ሰብ ዝኣክል ድርብይ ኣቢልካዮ ክትመጽእ የሕዝን፤ ግን ብስርሐይ ዕግበት ይረክብ፤ ካብዚ ንላዕሊ ዘሐጉስ ነገር የለን" ይብል ዓብዱ። ናይቶም ስነ ስርዓት ቀብሮም ዝፍጽመሎም ሰባት ስም ዝርዝር እውን ጽሒፉ የቐምጥ። ደንጉዮም ዝሰምዑ ስድራ እቶም መወትቲ ምናልባት ኣልዒሎም ኣብ ዝደለይዎ ቦታ ክቐብርዎም እንተደልዮም ንምሕባር እዩ ከምኡ ዝገብር። ሰብ ኣነባብርኡ ጥራሕ ኣይኮነን ዘጨንቖ። ኣማውትኡን ቀብሩን እውን የሕስቦ እዩ። ነዚ እዩ ሰብ "ኣማውታይ ኣጸብቐለይ፤ ቐባሪ ኣይተስእነኒ" ኢሉ ዝጽልይ። ብመሰረት ባህልን እምነትን ብስርዓት ክትቅበር ክብሪ እዩ። ዓብዱ እውን ካብ ሞት ንላዕሊ ዘተሓሳስቦ እዚ እዩ። "ሞት ኩሉሻብ ከምዘሎ ይፈልጥ እዩ። ኮፍ እንትብል፣ እንትለዓል፣ እንትኸይድ እውን ሞት ከምዘሎ ይፈልጥ እየ። ሳንዱቕ ሬሳ ኣብ ጥቓይ ገይረ እየ ዝድቅስ። ኩሉ ከያዳይ እዩ። ምንም ኣይፈርሕን፤ በዓል ተራ እየ። ብተራይ ከምዝኸይድ ይፈልጥ እየ" ይብል። ሰብ ዝኣክል ፍጡር ግን ምስሞተ ሓመድ ክለብስ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ድማ ዓብዱ ሓደ ሰብ ብዝኾነ ኣጋጣሚ እንተሞይቱ ኣስተኻኺሉ ካብ ምቕባር ንድሕሪት ኣይብልን። ዋላ ዘሰቅቕ ሞት እንተኾነ ኣይጽየፍን። "ናተይ መወዳእታኸ መን ፈሊጥዎ?" ይብል። "ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ኣርባዕተ ሰብ ይቐብር እየ" ዝብል ዓብዱ፡ ሓደጋ እንተኣጋጢሙ ድማ ካብዚ ክበዝሕ ከምዝኽእል ይዛረብ። ነዚ ሰናይ ተግባሩ ግን ዝኽፈሎ ቀያሕ ሳንቲም የለን። ዓብዱ ሰራዊት ትግራይ ንከተማ ደሴ ተቖጻጺሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዕኡን ንኻልኦት ወለንተኛታትን ፈታኒ እዋን ከም ዝነበረ ይገልጽ። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሰባት ካብ ኲናት ንምህዳም ነታ ከተማ ገዲፎም ወጺኦም፤ ቤት ማዘጋጃ ሓዊሱ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ተዘሪፉን ዓንዩን እዩ። እድርን ማሕበርን እውን ዝረብሕ ምንቅስቓስ ኣይነበሮምን። ማእከላት ሕክምና ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጾም ስለዝነበሩ " ብሕጽረት መድሓኒት ዝሞቱን ቀባሪ ዝሰኣኑን ሰባት ብዙሓት እዮም ነይሮም" ይብል። ሽዑ ሰባት ናብኡ ይመጹ ነይሮም። ኣገልግሎት ስልኪ ብዘይምንባሩ ድማ ናብ ገዝኡ ከይዶም እዮም ዝነግርዎ። "ብሕማም ጥራሕ ዘይኮነስ ብጥይት ዝተቐተሉ ሰላማውያን ሰባት (ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ሓዊሱ) ነይሮም" ዝብል ዓብዱ፡ መዓልታዊ ክሳብ ሓሙሽተ ሰብ ይቐብሩ ከምዝነበሩ ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ስነ ስርዓት ቀብሪ ምፍጻም ቀሊል ኣይነበረን። ደሴ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝነበረትሉ ከባቢ ሓደ ወርሒ ኣስታት 200 ዝኾኑ ሰባት ቀቢሮም እዮም። "እንተ ሞይተ ቀባሪ የብለይን፤ ንሱ ክቐብረኒ እየ ተስፋ ዝገብር" እቴነሽ ብርሃኑ ናይ ዓብዱ ጎረቤት እየን። በዓል ገዝአን ምስ ዓረፋ ብስርዓት ዝቐበረለን ዓብዱ እዩ። "ዓብዱ ርህሩህን ሓዛንን እዩ' ይብላ። ካልእቲ ጓል 80 ዓመት ጎረቤቱ ኣበበች ሙሳ ድማ " ዓብዱ ዘለዎ ኣካፊሉ ዝነብር ሰብ እዩ። ሰብ ክጽገም ክጠሚ ኣይደልን። ንሰብ ጥራሕ እንተይኮነስ ንእንስሳት እውን እዩ ዝሓዝን" ይብላ። "ኣነ ንሞት ዝጽበ ሰብ እየ። እንተሞይተ ዝቐብረኒ ዘመድ ብለይን። ንሱ ክቀብረኒ እዩ ኢለ እየ ተስፋ ገይረ" ይብላ። ዓብዱ ነዚ ሰናይ ተግባሩ ካብ መንግስቲ እቲ ክልል ምስክር ወረቐት ተዋሂብዎ እዩ። ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ትካላትን እውን ምስክር ወረቐት ዝረኸበ ኮይኑ፡ ኣብ 2013 ዓ/ም ናይ ምምሕዳር ከተማ ደሴ ተሸላሚ 'በጎ ሰው' (ሰናይ ሰብ) ኮይኑ እዩ። ቻይና: መተካእታ ብሕማም ዝሞተ ሰብ ክኸውን ህይወቱ ዝሰኣነ ግዳይ ሕማም 'ዳውንስ ሲንድሮም' ዝነበሮ ቻይናዊ ድሕሪ ምጭዋዩ መተካእታ ሬሳ ናይ ሓደ ብኸመይ ከም ዝቕበር ኑዛዜ ዝገደፈ ሰብ ክኸውን ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ። ሓደ ኣብ ደቡባዊ ቻይና ዝነብር ዝነበረ ሰብ ኣብ 2017 ብሕማም መንሽሮ (ካንሰር) ሞይቱ። ንሱ፡ ምስ ሞተ ኣብ ክንዲ ሬሳኡ ብሓዊ ዝቃጸል ብንቡር ክቕበር ድሌት ከም ዝነበሮ ኑዛዜ ገዲፉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ገለ ዞባታት ቻይና ብንቡር ምቕባር ክልኩል እዩ። ስለዚ ድማ፡ እቲ ሰብ ምስ ሞተ፡ ቤተሰቡ ዝቃጸል መተካእታ ሬሳ ከናድዩ ጀሚሮም። ኣብ መስከረም 2020፡ መተካእታ ሬሳ ከናዲ ዝተቖጸረ ሁዋንግ ዝተባህለ ሰብ፡ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂቡ። ዋላ'ኳ እቲ ቅትለት ኣብ 2017 እንተተፈጸመ፡ እቲ ጉዳይ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መርበባት ኢንተርነት ቻይና ምስ ተዘርግሐ'ዩ ኣቓልቦ ስሒቡ። ምርካብ መተካእታ ሬሳ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ከም ዘርእዮ፡ ኣብ 2017 ሁዋንግ መተካእታ ሬሳ ከምጽእ ካብ ቤተሰብ ናይቲ ብንቡር ክቕበር ዝተደልየ መዋቲ ናይ ገንዘብ ውዕል ተኣትይሉ። ስድራቤት መዋቲ፡ ኣብ ዞባ ጓንዶግ ኣብ እትርከብ ከተማ ሻንወይ'ዮም ዝነብሩ። መንግስቲ ናይቲ ዞባ ኩሉ ሬሳታት ብሓዊ ክቃጸል (ክረሜሽን) ዘገድድ ሕጊ ኣለዎ። ዋላ'ኳ እቲ ስድራቤት ሁዋንግ ካልእ ሬሳ ዘምጽኣሎም እንተመሰሎም ንሱ ግን ነቲ ዝኣተዎ ውዕል ንምፍጻም ካልእ ሰብ ቀቲሉ። ሓደ ኣብ ጎደና፡ ጎሓፍ ክኣሪ ዝራኣዮ ሕማም ዳውንስ ሲንድሮም ዝነበሮ ሰብ ምስ ረኣየ፡ ናብ መኪናኡ ክኣቱ ብምእማን ኣልኮላዊ መስተ ሂቡ ዊኖኡ ከም ዝስሕት ይገብሮ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ኣእትይዎ። ድሕሪ መዓልታት ድማ ነቲ ሳንዱቕ ናብቶም ስድራቤት ብምውሳድ ገንዘቡ ተቐቢሉ። ብመሰረት ዝተውዎ ውዕል፡ እቲ ስድራቤት 107,000 ዩዋን (16,300 ዶላር) ከም ዝኸፈለን፡ ካብኡ 90,000 ዩዋን (ባጤራ ቻይና) ናብ ጅብኡ ኣትዩ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ንደላሎ ተዋሂቡ። ምቅይያር ሳንዱቕ ሬሳ ብድሕሪ'ዚ፡ እቲ ስድራቤት ነቲ ዝተዋህቦም ሳንዱቕ ከም ሬሳ ቤተሰቦም ኣምሲሎም ኣቃጺሎሞ። ሬሳ ናይቲ መዋቲ ቤተሰቦም ግን ብምስጢር ከም ባህጉ ብንቡር ቀቢሮሞ። እቲ ግዳይ ኣብ 2017 ሃለዋት ምስ ኣጥፈአ፡ ከም ጥፉእ ሰብ ተመዝጊቡ። ፖሊስ ነቲ ሓቂ ክፈልጡን ነቲ ክሱስ ክረኽቡን ልዕሊ ክልተ ዓመት ወሲድሎም። ኣብ መስከረም 2020 ከኣ ሁዋንግ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ናይ ሞት ፍርዲ ተቐቢሉ። እንተኾነ፡ ኣንጻር'ቲ ፍርዲ ይግባይ ኢሉ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ታሕሳስ 2020 ላዕለዋይ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ ዞባ ጓንግዶንግ ነቲ ይግባይ ብምንጻግ፡ እቲ ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ ናይ ሞት ፍርዲ ኣጽኒዕዎ። እዚ ማለት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ዝኾነ ካልእ ገበን እንተዘይፈጺሙ፡ ናብ ናይ ሕልፈት ማእሰርቲ ክወርድ'ዩ። እቲ ዝቖጸሮ ስድራቤት ድማ፡ "ሬሳ ብምጽራፍ" ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም። ይኹን'ምበር፡ ዝኾነ ማእሰርቲ ኣይተበየነሎምን። ኣብ ክንዲ ማእሰርቲ ገንዘብ ከፊሎም እንተኾይኖም ከኣ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ማዕከን ዜና ቻይና ምስቲ ስድራቤት ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ቃለመሕትት ብምክያድ ኣብ መርበባት ኢንተርነት ምስ ዘርገሐ ኣቓልቦ ስሒቡ። ሬሳ ምቕያር ኣብ ቻይና ቅድሚ ሕጂ ዘይተሰምዐ ክስተት ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር፡ ንቡር ባህላዊ ቀብሪ ከም ዓቢ ክብሪ ስለዝውሰድ፡ መተካእታ ሬሳ ምንዳይ ይርአ'ዩ። ፖሊሲ ቻይና ኣንጻር ንቡር ቀብሪ ኣብ ቻይና ንቡር ቀብሪ ብዙሕ ሰብ ዝደልዮ'ዩ። ሰባት ኣብ ስርዓተ-ቀብሪን ሳንዱቕ ሬሳን ብዙሕ ገንዘብ'ዮም ዘውጽኡ። ከምኡ ብምግባሮም ንዝሓለፉ ወለዶታቶም ዘለዎም ክብሪ ዝገልጽሉ'ዩ። እታ ሃገር ግን፡ ህዝቢ ሬሳ ብንቡር ካብ ምቕባር ክቑጠብ እትገብሮ ጎስጓስ ከተሐይሎ ጸኒሓ'ላ። ኣብ ገለ ዞባታት'ውን ንቡር ቀብሪ ምሉእ ብምሉእ እጉድ'ዩ። እቲ ስጉምቲ፡ መሬት ንምዕቃብን ነቲ ዝግበር ቀይዲ ኣልቦ ስርዓተ-ቀብሪ ንዘይምትብባዕ ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ። ኣብ 1997 ዝወጸ ሕጊ "ጻዕቂ ህዝቢ፡ ጸቢብ መሬትን ስሉጥ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያን ዘለዎም ዞባታት ምቅጻል ሬሳ ከካይዱ ኣለዎም" ይብል። "ናይ ኢድ ሰላምታ ባህልና ኣይኮነን" መምህር ብርሃነ ኣቻሜ መምህርን ደራስን ብርሃነ ኣቻሜ ኣብ መቐለ ዝነብር ኮይኑ፡ ኣብታ ከተማ ብኢዱ ሰላምታ ብዘይምልውዋጥ ይልለ። ካሊእ ተሪፉ ንበዓልቲ ቤቱ እንከይተረፈ፡ ይስዕማ'ምበር ብኢዱ ሰላም ከምዘይብላ እዩ ዝገልጽ። ብዛዕባ ዓለማዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ክንፈልጠን ዝግብኣና 5 ነገራት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ወይ ከኣ ብመንገዲ የዕሩኽትኹም ብዛዕባ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ ሰሚዕኩም ትኾኑ። እንታይ ምዃኑ'ኸ ትፈልጥዎ'ዶ? መዓስ እዩ ዝውዕል? በዓል ድዩ ወላስ ተቓውሞ? ማዕረ ማዕሪኡ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ በዓል ደቂ-ተባዕትዮ'ኸ ኣሎ'ዶ? ህዝቢ ዓለም ንልዕሊ ሓደ ዘመን ን8 መጋቢት [ማርች 8] ሓንቲ ፍልይቲ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ገይሩ የብዕላ ጸኒሑ። ንምንታይ? ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ምንቅስቃስ ሰራሕተኛታት ዝጀመረ ኮይኑ ብውድብ ሕቡራት ዓመታዊ ክበዓል ተገይሩ። እዚ ክምዕብል ዝጀመረሉ ከኣ ብ1908 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣስታት 1500 ደቂ ኣንስትዮ፡ ንሓጸረ ሰዓታት ናይ ምስራሕ ዕድል፡ ዝሓሸ ክፍሊትን፡ ናይ ምምራጽ መሰል ክህልወን ኣብ ዝገበራኦ ጉዕዞ እዩ። ሓደ ዓመት ጸኒሑ ከኣ፡ እቲ ናይ ማሕበርነት ሰልፊ ኣሜሪካ፡ ናይ መጀመርያ ሃገራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣዊጁ። ነዚ፡ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ምግባር ዝብል ሓሳብ ከኣ ሓንቲ ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ሰበይቲ ኣበጊሳቶ። ንሳ ነዚ ሓሳብ እዚ ብ 1910 ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዝተገብረ ጉባኤ ናይ ሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ እያ ኣቕሪባቶ። ኣብዚ ዋዕላ እዚ፡ ካብ 17 ሃገራት ዝመጻ 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋ ኮይነን፡ ብሓደ ድምጺ ከኣ ተሰማሚዐን። ንመጀመርታኡ ብ1911 ኣብ ኣውስትርያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ተጸንቢሉ። መበል ምኢቲ ዓመቱ ብ 2011 ዝተጸንበለ ክኸውን ከሎ፡ ኣብዚ ዓመት ከኣ ንመበል 109 ግዜኡ እዩ ዝጽንበል ዘሎ። ኣብ 1975፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከብዕሎ ምስ ጀመረ፡ ወግዓዊ ኮይኑ ዓመታዊ ቴማ ክግበረሉ ጀሚሩ። እቲ ፈላማይ ግን ብ1996 "ንዝሓለፈ እናኣብዓልካ፡ ንመጻኢ እናተለምካ" ብዝብል ጀሚሩ። ኣብዚ ዓመት ከኣ፡ ጾታዊ ማዕርነት እተረጋግጽ ዓለም ክትፍጠር ጻውዒት የቕርብ። ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ፈለማታት ዘይማዕርነት ንምቅላስ ብዝግበሩ ተቓውሞታት ዝልለ ነይሩ። ሎሚ ሎሚ ድማ እቲ ዕለት፡ ደቂኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ፣ ፖለቲካን ቁጠባን ንዘመዝገበኦ ዓወታት ዝጽምብል መዓልቲ ኮይኑ'ሎ። 8 መጋቢት እዩ። ናይ ካላራ ሓሳብ ንዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ውሱን ዕለት ኣይነበሮን። ብ 1917፡ ደቂ ኣንስትዮ ሩስያ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝጸንሐ ኣንጻር መንግስቲ ዛር (Tsar) ናዕቢ ገይረን፡ እቲ መንግስቲ ድማ ካብ ስልጣኑ ከወርድድ ተገዲዱ፡ ድሕሪኡ ዝመጸ ናይ ስግግር መንግስቲ ከኣ ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ምምራጽ ዕድል ክህልወን ገይሩ። እቲ ናዕቢ ዝተጀመረሉ ዕለት፤ ብግሪጎርያዊ ዓውደ ኣዋርሕ ኣብ 8 መጋቢት እዩ ዝውዕል። ዓለማዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ድማ፡ ኣብዚ ዕለት ይበዓል ኣሎ። 3. ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮ'ኸ ኣሎ'ዶ? ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ተባዕትዮ'ኸ ኣሎ'ዶ? ብርግጽ ኣብ 19 ሕዳር ኣሎ። ካብ 1990 ኣቢሉ እዩ ክበዓል ጀሚሩ። እንተኾነ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ኣይረኸበን። ኣብ ልዕሊ 60 ሃገራት ይጽንበል። ዕላማ ናይዛ መዓልቲ ከኣ፤ ኣብ ጥዕና ደቂ ተባዕትዮ ግንዛበ ምፍጣር፣ ጾታዊ ዝምድናታት ምምሕያሽ፡ ጾታዊ ማዕርነት ምትብባዕን፡ ኣብነታውያን ደቂ-ተባዕትዮ ምልላይን እዩ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ 8 መጋቢት ከም ሃገራዊ በዓል ይበዓል። ኣብ ቻይና፡ ብመሰረት ሃገራዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ 8 መጋቢት ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዕረፍቲ ይወሃበን። ኣብ ዓዲ ጣልያን፡ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ከኣ 'ላ ፈስታ ደላ ዶና (la Festa della Donna)' ዕንባባ ብምሃብ እዩ ዝጽንበል። መበቖል ናይዚ ልማድ ፍሉጥ ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እምበር፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ሮማ ከምዝጀመረ ይእመን። ኣብ ኣሜሪካ ድማ፤ መጋቢት 'ወርሒ ታሪክ ደቂ ኣንስትዮ' ኮይኑ ይበዓል። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ፡ ናይ'ዚ ዓመት ጭርሖ እቲ በዓል፡ "ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መሪሕነት፡ ዓላማታት ቃልሲ ኮቪድ-19 ኣብ ማዕርነት ተመስሪትካ ምዕዋት" ዝብል እዩ። ኣብ ው.ሕ.ሃ ሓላፊት ፈጻሚት ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት፡ "ተሳተእፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ባህላውን መሓውራት ኣድላይ እዩ። ድሌተንን ዓቕመንን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ክውከላ ኣለወን። ብዚ መገዲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓበይቲ ናይ ውሳነ ቦታታት ብምስታፍ ማሕበራዊ ለውጢ ምምጽእ ዝከኣል" ኢላ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጭርሖ ዓለማዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ #EachForEqual ዝብል እዩ ነይሩ። "ነብሲ ወከፍና ኣካል ናይ ኩላትና ኢና" ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ እቲ ጎስጓስ፡ "ግላዊ ተግባራትና፡ ዝርርባትና፡ ባህርናን ኣተሓሳስባናን ኣብ ሕብረተሰብ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ" ዝብል ዓላማ ዝተሓንገጠ ነይሩ። "ብሓባር ለውጢ ከነምጽእ ንኽእል። ብሓባር ማዕርነት ጾታ ዝተረጋገጸላ ዓለም ንምፍጣር ክንተሓጋገዝ ንኽእል" ኣብ ዝሓለፋ ቅሩብ ዓመታት ምንቅስቃስ ደቂ ኣንስትዮ ብዓቢ ደረጃ ዓብዩ እዩ። ኣብ ጥቅምቲ 2017 ሚልዮናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት #MeToo ዘብል ጎስጓስ ጀሚሮም። እቲ ጎስጓስ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽን መጥቀዕትታትን፡ ከምኡ'ውን ነቲ ሱር ዝሰደደ ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮ ንምኹናን እዩ። ኣብ 2018 ድማ፤ እቲ ናይ #MeToo ጎስጓስ፡ ብዓለም ደረጃ ክዓብይ ክኢሉ። ናብ ከም በዓል ህንዲ፡ ፈረንሳ፡ ቻይና፡ ከምኡ'ውን ደቡብ ኮርያ ብሰፊሑ ዓብዩ። ኣብ ሓደ መዓልቲ ወዳ ብሞት ስኢና ካልእ ዝወለደት ኣደ ኣብ ዞባ ኢሉ ኣባ ቦራ፡ ወረዳ ዱዱ እትነብር ኢንዲያ ሱሌይማን፡ ዝሓለፈ 29 ታሕሳስ በዓል ልደት ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ህይወት ዘበና ዘይትርስዖ መዓልቲ እዩ። ረቡዕ 29 ታሕሳስ፡ 2012 ኣቆፅፅራ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኢንዱያ ሱሌይማን፡ ክልተ ዓመት ፈራቓን ዝዕድሚኡ ወዳ ብሃንደበታዊ ሕማም ብሞት ሰኣነት። ወዳ ብሞት ዝመንጠለታ መዓልቲ ግና፡ በዚ ጥራሕ ኣየብቀዐትን፡ ኣብ ሓዘን ትርከብ ወላዲት ካልእ ውላድ ናብዛ ዓለም ንክተምፅእ ገበረታ ደኣ'ምበር። "ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ቀትሪ፡ ወደይ ብሃንደበት ስለዝሓመመኒ ናብ ሆስፒታል ሒዝናዮ ከይድና፤ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ድማ ሞይቱ። ናብ ገዛ ምስ ኣምፅኡኒ፡ ሕርሲ ኣዳፊኡኒ ሽዑ ምሸት ወሊደ" ትብል ኢንዲያ ሱሌይማን። ትወልደሉ ግዘ ምቕራቡ ከምዘይትፈልጥ ትዛረብ ኢንዲያ፡ "ኣብ ከቢድ ሓዘን ስለዝነበርኩ፤ ሕርሲ ሒዙኒ ቃንዛ ክስመዓኒ እንከሎ፡ ኩላሊተይ ዘሐመኒ እዩ መሲሉኒ" ብምባል፡ ነቲ ዝነበረ ፍሉይ ኣጋጣሚ ትዝክሮ። "ብሞት ወደይ፤ ኣዝየ ብሓዘን አስቆንቁን (አስቆርቁር) ነይረ" ትብል ኢንዲያ፡ ኣብቲ መዓልቲ ቃንዝኣ ዝረኣዩ ስድራን ጎረባብትን ናብ ሕክምና ንክወስድዋ እንተ ተማሕፀንዋ እውን፡ ንሳ ግና ኩሊታ ከምዝሓመመት'ምበር ብሕርሲ ከምዘይተትሓዘት ብምግላፅ ኣቕበፀት። ብድሕሪኡ ግና፡ "ሕርሲ ተታሒዘ፡ ሽዑ ድማ ኣብ ገዛ ወሊደ" ብምባል እቲ ትፅቢት ዘይገበረትሉ ዘይትርስዖ ኩነታት ተዘንቱ። "ኣብ ዝሓዘንኩሉ መዓልቲ ምውላደይ፡ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት እዩ ፈጢሩለይ" ብምባል ዝፈጠረላ ስምዒት ትዛረብ። ነዚ ሰሚዖም ክሓትዋ ዝመፅኡ ሰባት ከኣ፡ ንዝሞተ "ነብሲ ይምሓር"፤ ንዝተወለደ ህፃን ድማ መሪቖም ይኸዱ። ንሳ ግና "ምናልባት ሓድሽ ውላድ ብምርካበይ ንመፃኢ ክሕጎስ እኸውን'ምበር፡ ሕዚ ንዝሞተ ወደይ ብጣዕሚ ሓዚነ እየ ዘለኹ" ትብል። "ፈጣሪ ነቲ ሓደ ነፍሲ ብካልእ ከምዝተከኦ እየ ኣሚነ" ትብል፡ ብሃንደበት ዝሞተ ውላዳ እንከይተቐበረ፡ ካልእ ህፃን ምውላዳ ዝፈጠረላ ስምዒት እንክትገልፅ። ሓፍቲ ኢንዲያ ንዝኾነት ለይላ ሱሌይማን፡ ነዚ ኣይ ሓጎስ ኣይ ሓዘን ዝፈጠረ ኣጋጣሚ፡ "ኣብ ስድራና ዘደንቕ ስራሕ ፈጣሪ ኢና ርኢና" ብምባል እያ ትገልፆ። "ፈጣሪ ብሞት ንዝሰኣናዮ ውላድ ብኻልእ ስለዝተክኣልና፡ ምስጋና ይብፅሓዮ። ሓዘንናን ሓጎስናን ኣብ ሓደ መዓልቲ ምዃኑ ግና ኣሕዚኑና እዩ" ኢላ። "ዝኾነ ነገር ጎዲሉ ወይ ተማሊኡ ኢልና ኣይንሕጎስን፡ ኣይንሓዝንን እውን፡ ሱቕ ኢልና ስራሕ ፈጣሪ ጥራሕ ኢና ነድንቕ" ብምባል ነቲ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ገሊፃትልና። ከም ኣገላልፃ ለይላ፡ ጎረባብቶም ፈጣሪ ውላድ ስለዝሃቦም ክሕጎሱ እምበር ክሓዝኑ ከምዘይግባእ እዮም ዝነግርዎም። እዚ ኩሉ እንከጋጥም ግና፡ በዓል ገዛ ኢንዲያ ብምኽንያት ስራሕ ኣብቲ ከባቢ ከምዘይነበረ ስድራቤታ ገሊፆም። ላሊበላ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብያተ ክርስቲያን ላሊለባ ክዕቕቡ ኣተሓሳሲባ ኣመሪካ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ትግራይ ንኣብያተ ክርስቲያን ላሊበላ ከኽብሩ ኣተሓሳሲባ። እዚ ኣብ ትካል ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ውድብ ሕቡራት ሃገራት [ዩኔስኮ] ዝሰፈረ ሓድጊ ዝርከበሉ ከተማ ላሊበላ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር እቶም ሓይልታት ከም ዝኣተወት ይፍለጥ። ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ "ገነተ ማርያም ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ከባቢ ናብታ ከተማ ኣትዮም" ክብል ምኽትል ከንቲባ ኣቶ ማንደፍሮ ታደሰ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ሓይልታት ፌደራልን ክልልን ብምትሕብባር ናብታ ከተማ ክኣትውን ነቲ ሓድጊ ክሕልውን ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ'ውን ተዛሪቡ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ "ሓይልታት ትግራይን ንላሊበላ ከም ዝተቖጻጸሩ ዝገልጹ ጸብጻባት ሰሚዕና፤ ህወሓት ድማ ነቶም ታሪኻዊ ሓድግታት ክዕቕቡ ንጽውዕ" ኢሉ። ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት እቲ ግጭት ጠጠው ንምባል ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንምብጻዕ መገዲታት ክኽፈትን መንግስቲ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ሓቲቱ'ዩ። ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር [2020] ጀሚሩ ዝቐጸለ እዚ ኲናት ኣብ ትግራይ ሚልዮናት ከመዛብል እንከሎ ብዙሓት ታሪኻዊ ሓድግታት ጉድኣት በጺሑዎም'ዩ። ካብ ከተማ ውቕሮ ቁሩብ ኪሎ ሜትራት ርሕቕ ኢሉ ዝርከብ ጥንታዊ መስጊድ ኣል ነጃሺ ጉድኣት ከም ዝበጽሖ በዓል መዚ ሓድግን መጽናዕትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ነይሩ። ዓቐን እቲ ኣብ ልዕሊ'ቲ መስጊድ ዝበጽሐ መጉዳእቲ ብወግዒ'ኳ እንተዘይተገልጸ፡ መንግስቲ ሓይልታት ትግራይ ዝፈጸሙዎ'ዩ ክብል ክኸስስ ጸኒሑ። እንተኾነ፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ብናጻ ኣካል ኣይተጻረየን። መንግስቲ ፌደራል ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ብምውጻእ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ። ሓይልታት ትግራይ ግን እዚ ንምቕባል ኣቐዲሙ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ትግራይ ይውጽኡ፣ ዝተቋረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ይመለሱ ዝብሉ ነጥብታት ዝርከቡዎም ቅድመ ኹነት ኣቐሚጦም'ዮም። እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን'ውን ልሒኹ ብምህላዩ ሓላፊት ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣመሪካ ሳማናታ ፓወር ኣብዚ ሰሙን ኩሎም ሓይልታት ካብቲ ሒዞምዎ ዘለው ቦታታት ክወጽኡን ተኹሲ ጠጠው ከብሉን ጸዊዓ'ያ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ንማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ህወሓት ህጻናት ንውትህድርና የሰልፍ ኣሎ ዝብሉ ጸብጻባት ምውጽኦም ከም ዘሻቐሎ ተዛሪቡ። ብኻልእ ወገን ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ንተወለድቲ ትግራይ ብሃበ ተረኽበ ይኣስሩን የንገላትዑን ምህላዎም ንኣመሪካ ከም ዘስግኣ ሓቢሩ። "መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ቕቡልነት የብሉን" ኢሉ። ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተወለድቲ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ማእሰርትን ምንክልባትን ሓያል ስግኣት ከም ዝሓደሮም ገሊጾም። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ቅድም ኢሎም ኣብ ዘውጽኡዎም መግለጺታት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ተጋሩ ይእሰሩ ኣለው ኢሎም ነይሮም። ፖሊስ ግን ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት መንነቱ ኣይተኣሰረን ኢሉ ነጺጉዎ። ሰለሞን ጸሃየ፡ ኣብ ምስናድ ማሰን መልቀስን ዝወፈረ ኤርትራዊ ደራሲ ሰለሞን ጸሃየ፡ ኤርትራዊ ተጋዳላይን ስነጥበባዊን እዩ። ብ1977 ዓ.ም ናብ ሜዳ ወጺኡ። ብ1979 ዓ.ም ናብ ክፍሊ ባህሊ ኣትዩ። ሰለሞን ገጣሚ መጽሓፍ "ሳሕል ሕሩይ ግጥምትታ ቃልሲ" እዩ። ካብ 1979 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ምዕቃብን ባህሊ ዝነጥፍ ዘሎ ሰለሞን፡ ኣብ ማሰን መልቀስን መጽናዕቲ ብምክያድ ይልለ። ንሱ መጽሓፍ "ማሰን መልቀስን ቀዳሞት" ዘሕተመ ስሙይ ደራሲ እዩ። ድርኩኺት ዛንታ ማሰኛ ነጋሽ ሳግላ ኣብ ዘላምበሳ ይነብሩ ነይሮም፤ ድሕሪ 1998 ዓ.ም ንሰንዓፈ ይኸዱ። ኣብ ሰንዓፈ ንዝረኸብዎም ጋዜጠኛታት ኤርትራ፡ ዘይተኣደነ ማሰን መልቀስን ከምዘለዎም ሕሹኽ ይብልዎም። ብህይወት እንከለዉ ብመልክዕ መጽሓፍ ከሕትምዎ ከምዝደልዩ ድማ ዘለዎም ህንጡይነት ይገልጹሎም። እቲ ጉዳይ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ ንዝመርሕ ዘሎ ሰብ ዝያዳ ስለዝምልከቶ፡ ንሰለሞን ጸሃየ ሓቢሮም ይሰድዎም። እንተላም ማሰን መልቀስን ሒዘዮ ኣይቅበርን ዝበሉ ነጋሽ ሳግላ ሂፍ እናበሉ ንኣስመራ ብምኻድ ከም ወዮ ዝተሓበርዎ ንሰለሞን ጸሃየ ይረኽብዎ። ከምዚ በልዎ "ኣነ ማሰን መልቀስን ክእክብ እደሊ እየ፤ ምኽንያቱ ቅድመይ ዝነበሩ ማሰኛታትን መላቐስትን ሓሊፎም። ኣነን ንዓይ ዝመስሉን፡ ሓደ ሓደ ተሪፎም ዘለዉ ተባህለ ባሃልትን ተዘይኰይኑ፡ ይርሳዕን ይጠፍእን እዩ ዘሎ፤ ንሕና እንተመይትና ኸኣ ክጠፍእ እዩ። "እቲ ኣነ ዝፈጠርክዎ እውን ክጠፍእ እዩ፤ መን ተባህለ ኢሉ ከሳግሮ እኽእል። ስለ'ዚስ ብመልክዕ መጽሓፍ ብምሕታም ጥራሕ እዩ ናብ መፃኢ ወለዶ ክሰግር ዝኽእል" ብምባል የማኽሩኒ ይብል ሰለሞን። በዓል ሰለሞን ጸሃየ፡ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣድላይነት ምዕቃብ ኣፋዊ ቃል ኣጸቢቑ ዝርድኦምን ብዝኻኣልዎ ድማ ዝፍትኑ ዝነበሩ እዮም። ኰይኑ ግና ብሰንኪ ሰባውን ገንዘባውን ዓቕሚ፡ ኣድማዒ ስራሕ ካብ ምፍጻም ተደሪቶም እዮም ጸኒሖም። ሰለሞን ብዘረባ ነጋሽ ሳግላ ተደሚሙ፤ ብልቢ ተሰሚዕዎ። ብድሕሪኡ ወላ እኳ እቲ ስራሕ መገሻን ድኻምን ዘለዎ ምዃኑ ርዱእ እንተዀነ፡ ሰለሞን ግን ክሰርሖ ከምዝግበኦ ንገዛእ ርእሱ ቃል ኣትዩ፡ ልቢ ነጋሽ ሳግላ ዘረስርስ ምላሽ ሃበ። "ናብ መጽናዕትን ምስንዳእ መጽሓፍን ድፍኢት ዝገበረትለይ፡ እዛ ምስ ማሰኛ ነጋሽ ሳግላ ዝተራኸብናያን፡ እሞ ድማ ንሶም ዘቕረቡለይ ምሕጽንታን ለበዋን ኢያ። ምኽንያቱ እታ ድፍኢት ተዘይትነብር፡ ኣብቲ ካልእ ፈጠራዊ ጽሑፋት ጥራይ ኣድሂበ ክቕጽል ምነበርኩ" ኢሉ ይኣምን ሰለሞን። ብመሰረት እምነት ሰለሞን ጸሃየ፡ ማሰኛ ነጋሽ ሳግላ፡ ንምድሓንን ንምዕቃብን ማሰን መልቀስን ትግርኛ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓሳብ ዘቕረቡ ሰብ እዮም። ነጋሽ ሳግላ ሓሳብ ልቦም ሰሚሩ፡ ነገር ኣጋጣሚ ግን፡ ሰለሞን ጸሃየ ነዊሕ መስርሕ ሰጊሩ ንዘሐተማ መጽሓፍ እንተይረኣዩ ብ2008 ዓ.ም ዓሪፎም። ሰለሞን፡ ንነጋሽ ሳግላ ብልባዊ ምስግናን ብኽብረትን ይዝክሮም። ፍልልይ ማሰ፣ኣውሎን መልቀስን ማሰን ኣውሎን ሓደ እዩ፤ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ግና መጸውዒኡ ይፈላለ። "ማሰ ወይ ኣውሎ፡ ኣብ እዋን ደስደስ፣ መርዓ፣ ጥምቀት፣ ሽመት ምስ ተረኽበ ኣብ ጽምብል፣ ኮታስ ሰብ ኣብ ዝሕጐሰሉ ኣጋጣምን ኩነትን ኣብ ዝህልወሉ እዋን ዝበሃል እዩ። መልቀስ፣ ወዬ ወይ ድጉዓ ድማ ሰብ ምስ ሞተ ኣብ ቀብሩ ወይ ከዓ ኣብቲ እንዳ ሓዘን፡ ንቲ መዋቲን ስድርኡን ዝገልጽሉ ዓይነት ኣፋዊ ቃል እዩ" ብምባል ትርጉምን ፍልልይን እቶም ኣፋዊ ቃል ግልጽልጽ ኣቢሉ የቕርብ። መልቀስ፡ ነቲ መዋቲ ጥራይ ኣይኰነን ዝገልጽ። መላቐስቲ በቲ መዋቲ ኣመኽንዮም፡ ንቲ ግዜ፣ ነቲ ሃዋህው፣ ምስ ድርቅን ጥምየትን፣ ምስ ሰበ ስልጣንን ምምሕዳርን ክኸውን እኽእል ነቲ ኣብቲ እዋን ዝፍጸም ዘሎ ኩነት እውን ኣልዒሎም ይዛረብሉ። "ብዙሕ ግዜ እኳደኣ ነቲ ሓዘን ምኽንያት እዮም ዝገብርዎ እምበር፡ ነቲ ክዛረብሉ ዝደለዩ ኣርእስቲ እዮም ዝገልፁ። መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ካብኡ ዝጥዕም መድረኽ ስለዘይረኽቡ፡ ሽዑ ይጥቀምሉ። ማሰ እውን ከምኡ፡ ነቶም ሰብ ውራይ ንምንኣድን ንምምስጋንን ጥራይ እንተይኰነስ ህዝቢ ተኣኪብሎም እንከሎ ናብቲ ዝደለይዎ ኣርእስቲ ይኸዱ" ብምባል ይትንትን። ክኢላታት ማሰን መልቀስን ብምሩጽ ቃላት ረቂቕ ሓሳባት እዮም ዝገልጹ። ማሰን መልቀስን ዋላ እኳ ኣብ ብሄረስባት ሳሆን ብሌንን እውን እንተሃለወ፡ ብዋናነት ግና ባህሊ ህዝቢ ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ እዩ። ማሰኛታትን መላቐስትን፡ ታሪኽ፣ሃይማኖትን ፍልስፍናን ወለዶን ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ሊቃውንቲ ምዃኖም፡ ምሁራዊ ርእይቶ ሰለሞን ጸሃየ የረድእ። ሰለሞን ኣብቲ ዝጸሓፎ "ማሰን መልቀስን ቀዳሞት" ኣብ ዝብል መጽሓፉ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ማሰን መልቀስን በሃልቲ ተዘርዚሮም ኣለዉ። "ማሰን መልቀስን፡ ባህሊ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ እዩ። ቋንቋ ትግርኛ ድማ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ስለዘሎ፡ እቲ መጽናዕተይ ኣብ ክልቲኡ ክገብሮ ምፈተኹ። በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ክልቲኤን ሃገራት ግና ዝካኣል ስለዘይነበረ፡ እቲ መጽናዕተይ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ክድረት ግድን እዩ ነይሩ" ይብል። ሰለሞን ኣብ ዝሰነዶ መጽሓፍ ኣንቢብካዮም ርቀቶም ዘስደምም ማሰን መልቀስን ይርከቡ። ብላታ ስብሃቱ ተስፉ ዝበሃሉ ከባቢ ዓዲ ዃላ ዝዓዶም ሰብኣይ፡ ኣብ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ነሓሰ ውራይ ይግበር። መቸስ ዝክር ንጽድቂ እዩ ዝግበር። ካህናት ፍትሓት ክገብሩ ሓዲሮም፡ ኣብቲ ገዛ ምስተኣተወ እሞ ምስተበልዐ ምስተሰተየ፡ ምስቲ ዕላማ ዘይኸይድ ጫውጫው በዚሑ። ኣጋይሽ ሰኺሮም። ይባኣሱ፤ ይዘላለፉ። ሻቡ ብላታ ስብሃቱ፡ "ኣባጅጎ ስጋ ገዲፉ ነብሲ ከይፈጥር ወይ ነብሲ ገዲፉ ስጋ ከይፈጥር ተቐርቀርና ኣብ ክልተ መዋጥር ቀለብ ፍልሖ ስጋ ክነህጥር" ብምባል ነቲ ኣብቲ ዳስ ዝተዓዘብዎ፡ ብውሕዳት ተለላ ግጥሚ፡ ግን ድማ ብኣዝዩ ዝዓሞቐ ሓሳብ ገሊጾምዎ። ማሰኛታት፡ ነቲ ኩነት ምስ ተዓዘቡ ንእለት ዝገጥሙ እሞ ድማ ብዘይ ብእርን ወረቐትን ብቓሎም ዝፅሕፉ ክኢላታት እዮም። ኣይተ ወልደ ድንግል ከዓ ገና ወዲ 17 ዓመት ጓሳ እንከለዉ እዮም መልቀስ ጀሚሮም። ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነይሮም። በዓልቲ ቤቶም ወረጃ፣ ለጋስ፣ ብፀላም ንድኻታት ዝሕርጉታ እየን ነይረን። እዘን ሕያወይቲ ሰበይቲ ይሞታ። እዚኤን ዝሰበይቶም ሰብኣይ ግን (ባህሪ ወድሰብ ዘይምሉእነት እንድዩ) ኣብቲ ዓዲ ኣብ ሓደ ወሰን ሓንቲ ውሽማ ሒዞም ነይሮም። ወልደ ድንግል፡ ወለዶም ካህን ክኾኑሎም እዮም ዝደልዩ ነይሮም። ኰይኑ ግና ሓደ እዋን ደቂሶም እንከለዉ ሓደ መንፈሳዊ ሓይሊ "ዕጫኻ ማሰኛ መላቐሲ ምዃን እዩ" ኢሉ ሕሹኽ ኢሉዎም ይበሃል። ኣብ መጓሰ እንከለዉ ኣባጊዖም ገዲፎም ነዚ ዕስለ ቀባራይ ጥሕስ ኣቢሎም ናብቲ ማእኸል ይኣትዉ። ሰባት "ኣንታ ናበይ ኢሉ ዝቘልዓ? ኣንታ እንታይ ኢና ንርኢ ዘለና!" ኢሎም ይግረሙ። ብውሽጢ ነቕኒቑ ጥበብ እናዳፈአ ዘምጸኦ ጓሳ መን ይምለሶ። ወዬ ወዬ እናበለ ኣተወ። "ወዬ ወዬ ወዬ ክነልቅስ ዶኻዓየ ክንፍተን ክንነግረለን ዶኻዓየ ክንፍተን እምበይትና ወርቂ 'ዝዓራተን ራእስን ደገዝማትን 'ዘቦታተን እተጌን ወይዘሮን 'ዝኖታተን ኣላጐን ስምብልያን ደቂ ኸብተን ንድኻታት መውጽኢት ክረምተን በሊዕኻዮ ዘይውዳእ ሃብተን ህይወት ዶ ኣየውዕልን 'ዝበርከተን" በለ። ቀጸለ "ኣነ ዝገርመኒ 'ተንብጨይተን ይኳሓላ ኣለዋ ተሰልቲተን ይቑነና ኣለዋ ተሰልቲተን ዘይትመፅእ መሲሉወን 'ታመዓልተን" ኸዓ በለ። እምበኣርከስ እዚ ብብዙሕ ክትንተን ዝግበኦ ፍልስፍናዊ ሓሳብ እዩ። ቀባራይ "ታይ ዝመሰለ ቈልዓ እዩ? ካበይከ ኣምፂኡዎ?" ብምባል ነዚአን እናደገመ ነናብ ቤቱ ተመልሰ። ከምኡ እዩ ዝኸውን። ቀባራይ ነቲ ዝተለቕሰ እናስተንተነ እዩ ዝኸይድ። እቶም ካውኡ እናደጋገምዎ ዝኸዱ ሰባት እዮም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዘሳግርዎ። እዚኦም "ተባህለ በሃልቲ' ይበሃሉ። ሰሚዕኻዮ ፍጹም ዘይምነው ዘረባ ሰለሞን ጸሃየ ይቕጽል። እተን ውሽማ እቶም ርኹብ ሰብኣይ፡ ነታ ኣብቲ ቀብሪ ዝሰመዓኣ ብዛዕባአን ትትንክፍ ዘረባ ኣብዛ ስነን ቁርጥም ኣቢለናኣ፤ ሓዘን ዝሕል ምስ በለ "ነቲ ቘልዓ ጸውዑለይ" በላ። ወልደ ድንግል ወዲ ቐሺ ገድሉ ተጸዊዑ ከደ። "ኣንታ ቘልዓ ኣነስ ሓፍተይ ካልአይተይ ሞይተናኒ ጨጉረይ ደኣ ክነጺ ደለኹ እምበር፡ ክቑነን ኣበይን መዓዝን ኢኻ ርኢኻኒ?" ኢለን ምሒር ከምዝጓሃያ ገለጻሉ። ወልደ ድንግል መልሲ ሃበ። "ኣነ ደኣ ኣብ በረኻን መሮርን ዝውዕል ከመይ ኣቢለ እየ ክትኳሓላን ክትቁነናን ክርእየክን? ግንሲ ንሰን ምስ ሞታ ነታ ኣዳራሽን ክትብሕታ ከምትደልያስ እሙን እዩ። ምኽንያቱ ሰብ እታ ዝበለጸት ክደሊ ግድን እዩ። ደሓር ከዓ ኣንትን እምበይተይ፡ ኣዛሪቡኒ እዩ እምበር ኣበይ ኰይነ ደኣ ርእየክን" "እሞ ዘዛርበካ እንተዀይኑ እስቲ ነቲ በዛ ቅድመይ ዝሓልፍ ዘሎ ጽንጽያ ማሰ በለሉ" በለኦ። "በላ ሓዛ!" ከኣ በለ ወልደድንግል። "ጽንጽያ ኣታ ጽንጽያ ጽንጽያ ግንቦት ትውለድ ቅነ ጥዕያ መስከረም ትውለድ ቅነ ጥዕያ 'ዘይዕውንውን ዘይብልካ ሞያ ከሳፍ ወይዘራዝር ከፋቲ መዀምብያ ትሕቲ እምበይተይ ንስኻ ትርእያ" ኢሉወን። ሰበይቲ ተደሚመን "ዎው ኣታ ቘልዓ ብሓቂ የዛርበካ እዩ፡ በል ኪደለይ" ኢለን ኣፋነወኦ። ወልደ ድንግል ካብ ወዲ 17 ዓመት እንከለዉ ኣትሒዞም ክሳብ ክንድዚ ነገራት ዝዕዘቡን ብረቂቕ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ዝገልጹን በሊሕ እዮም ነይሮም። ማሰን መልቀስን ፍልስፍና እዩ፤ እቶም ክኢላታት ከዓ ፈላስፋታት ሰለሞን ጸሃየ፡ ምስቲ ኣብ ምዕቃብ ባህሊ ዘለዎ ጥብሉሕ ተገዳስነት ነቲ ኣፋዊ ቃል ብፍቕሪ እዩ ኣዋህሊልዎ፤ ሽሕ ግዜ እናደገመ እንተዝብሎ ድማ ኣይጸግቦን። ብምዕሩግ ባህላዊ ልባስ ነቲ ዝነበረ ልክዕ ሽዑ ኣብቲ ዘበን ከምዝነበረ ኰይኑ ህይወት ይዘርአሉ። "ራእሲ ኪዳነማርያም ገብረመስቀል፡ ወዲ ዓረዛ እዮም" ከዓ በለ። "ራእሲ ኪዳነማርያም፡ ምስሌኔታት፣ ጭቃታት፣ ወራዙት ዓዲ ጸጸዊዖም ውራያት የካይዱ። ኣብቲ ውራይ ኣውሎ በሉ ብምባል የተባብዑ እውን ነይሮም። ጽቡቕ ባይታ ስለዝፈጠሩ ኣብ ግዜኦም ብዙሕ ኣውሎ ከምዝተበሃለ ይዝረብ" ብምባል ይዝክሮም። ዓምር ፍካክ ዝበሃሉ ትግረታይ ኣብ ከባቢ ዓረዛ ይነብሩ ነበሩ። ራእሲ ኪዳነማርያም ኣብ ዘካየድዎ ውራይ ብዙሓት ተዛረብቲ ትግርኛ ኣውሎ ኢሎም ምስ ወድኡ፡ ኣቶ ዓምር ከኣ እስኪ ኣውሎ በሉ ኢሎም ዓደምዎም። ኣቶ ዓምር ድማ "ኤእ ኣንቱም ራእሲ ንሕና ትግረ ደኣ ኣውሎ ምባል መዓስ ባህልና ኰይኑ፡ ዘይክነመስግን ኢና መጺእና" ብምባል ሕስይስይ በሉ። ራእሲ ኪዳነማርያም ግን "ክኢላ ምዃንኩም እፈልጥ እየ፤ ማሰ ከይበልኩም ከኣ ኣይትወጽኡን ኢኹም ካብዚ ውራይ'ዚ" ኢሎም መመሊሶም በሉ በልዎም። ኣቶ ዓምር ነጸላኦም ወንዚፎም "በሉ ሕራይ ካበልኩምስ" ኢሎም በርደግ በሉ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ራእሲ ኪዳነማርያም ሽምግልና ተኣታትይዎም እዩ ነይሩ። "ወዲ ገብረመስቀል ኢኻ ወርቂ ዘማት ወዲ ሓይለኣብ ኢኻ ወርቂ ዘማት ወዲ ገብረጻዲቕ ኢኻ ወርቂ ዘማት ኣሕሊፍካየን 'ተን ጠጥዑማት ተረፋኻ ክልተ ሕሱማት 'ታሓንቲ እርጋን'ያ 'ታሓንቲ ሙማት" ኢለሞም። ራእሲ ኪዳነማርያም ሰያብ ጨጉሪ ርእሶም እናደረዙ "ድሕሪ ሕጂ ኣውሎ ዕጸዉለይ! ድሕሪ እዚ እንታይ ኣውሎ ክበሃል፤ ይኣክል!" ብምባል ርእሶም ኣድኒኖም ኣብ ኣስተንትኖ ኣተዉ። እምበኣር ኣነ እውን ሰለሞን ፀሃየ ሓንቲ ካብ ማሰታት ነጋሽ ሳግላ ክእንግደና ሓቲተ ክሰናበት። ጥልያን ካብ ኤርትራ ወጺኡ እንግሊዝ ምስኣተወ፡ ኣብ ኣርበዓታት ዝተብሃለት ኢያ። መንግስቲ ጥልያን ስልጣን ግዝኣቱ ምስተመንጠለ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ጠላይን ኮኾቦም ወዲቑ። ንሓበሻ ኣቕሓ ዘይቘጽርዎ ዝነበሩ፡ ክመሻኸኑ ጀሚሮም። ነቶም ብግዜ እንግሊዝ ስልጣን ዝተወሃቦም ሓበሻ፡ ኡፍ ኡፍ ክብልዎም እውን ጀመሩ። ኣብ ዘግፈት ስመጃና፡ ከባቢ ሰንዓፈ ትራንኮኒ ዝበሃል ጣልያናዊ ነጋዳይ ነይሩ። ትራንኮኒ ናብ ሓደ መርዓ ይኸይድ እሞ፡ ነቶም ኣቦ ወዲ ዝነበሩ ኢንስፔክተር ዘጎ፡ ክዳኖም ሓመድ ተፀይቑ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ሓመድ ንግፍ ንግፍ ኣቢሉሎም። እዚ ቅድሚኡ ዘይሕሰብ ዝነበረ ተግባር እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ነጋሽ ሳግላ ኣብኣ እንከለዉ ማሰ በሉ። "ትራንኮኒ ኣንታ ትራንኮኒ ጐይታ ኮመደረ ኢኻ ተኻሊ ወይኒ ጐይታ ሽጉጥ ኢኻ ጐይታ ኣልቢኒ ወይ ጣልያኒ ኣንቱም ወይ ጣልያኒ ኣቲኹም ዶ ናብ ምንጋፍ ክዳኒ ኣሰይ ኣሰይ እዚ ዘርኣኻኒ" ኢሎም ነቲ ምግምጣል ግዜ ገሊጾምዎ። ሰለሞን ጸሃየ፡ ሕዚ እውን ኣብ ማሰን መልቀስን ሰፊሕ መጽናዕቲ ብዕቱብ የካይድ ኣሎ። ደጊም መጽናዕቲ ናብ ትግራይ እውን ዘሊቑ ብምእታው ከይተሓለለ ክሰርሕ ዝህቅን ዘሎ ደራሲ እዩ። ገና ዘይተሓተሙ ክልተ መጽሓፍቲ እውን ኣለዎ። ሰለሞን፡ ቦኽርን እንኮን ስኒት ጓሉ ብሞት ተመንጢሉ ካብ ባሕሪ ከርሱ ኣብ ዘይወጽእ ሓዘን እኳ እንተጠሓለ፡ ኩሉ ክኢሉ ብሓቦን ኒሕን፡ ባህልን ቅያን ህዝቢ ክስንድ ሎሚ እውን ኣብ መሪር ቃልሲ ይርከብ። ምጥራዝ ሓተትቲ ዑቕባ - “ናብ ርዋንዳ ካብ ምኻድ ሞት እመርጽ” ናብ ርዋንዳ ክጥረዙ ምዃኖም ዝተሓበሮም፡ ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ማእከል መዳጎኒ ስደተኛታት ተታሒዞም ዝርከቡ ሓተትቲ ዑቕባ፡ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ምግባሮም ገሊጾም። ኣብ ጥቓ መዓርፎ ነፈርቲ ጋትዊክ፡ ሳሰክስ፡ ኣብ ማእከል መዳጎኒ ‘ብሩክ ሃውስ’ ዝርከቡ 17 ሓተትቲ ዑቕባ ብጭንቅን ተስፋ ምቑራጽን ተኸቢቦም ምህላዎም ንቢቢሲ ተዛሪቦም። መንግስቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንገለ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክልእኽ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። እንተኾነ ግና ድሕነት እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ቀዳምነት ከምዝወሃቦ፡ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ይገልጽ። እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ዝርዝራት ናይቲ ዝበጽሖም፡ ክጥረዙ ምዃኖም ዝገልጽ ሰነድ ንቢቢሲ ነጊሮም ኣለው። እቲ ብ 1 ሰነ ከምዝተልኣኸ ዝገልጽ ሰነድ፡ እቲ ሰብ ብቐጥታዊ በረራ ካብ ብሪጣንያ ናብ ኪጋሊ ርዋንዳ ክለኣኽ ምዃኑ ይነግር። እቲ ውሳነ ይግባይ ዘይባሃሎ ምዃኑ’ውን ይጠቅስ። ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ፕሪቲ ፓተል፡ እቶም ቀዳሞት ጉጅለ 14 ሰነ (ካብቲ ፈለማ ተወጢኑሉ ዝነበረ ሓደ ሰሙን ንድሕሪት ተደፊኡ) ክጥረዙ ምዃኖም ሓቢራ። መንግስቲ፡ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው ምዃኖም ይገልጽ። መንግስቲ ብሪጣንያ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዘተኣታተዎ ሕጊ፡ ከም ንመትረብ እንግሊዝ ብጃልባ ብምቁራጽ ብዝኣመሰሉ ዘይሕጋዊ ዝበሎም መገድታት ናብታ ሃገር ዝኣትው ሓተትቲ ዑቕባ፡ ናብ ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር - ርዋንዳ - ክሰጕግ ፍቓድ ረኺቡ እዩ። ነዞም ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ (ከባቢ 7200 ኪሜ) ምልኣኽ ኣካል ናይቲ ምስታ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ዝተበጽሐ ስምምዕ 151 ሚልዮን ዶላር እዩ። ካብቶም ንሓሙሽተ መዓልትታት መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ዝገበሩ 17 ሓተትቲ ዑቕባ ሓደ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ሽኮር ብማይ ኣሕቢሮም እናሰተዩ ከምዝጸንሑ ብምግላጽ ረቡዕ ምሸት ግና እቶም ሓለውቲ ሽኮር ስለዝኸልእዎም ነቲ ኣድማ ከቋርጽዎ ከምእተገደዱ ተዛሪቡ። ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ብሪጣንያ ከምዝርከቡ ዝነግር ዓሊ፡ ሰብ መዚ ኢሚግረሽን “ምስ ጥዕናኻ ናብ ነፋሪት ክትድይብ ብላዕ” ከምዝበለዎ ሓቢሩ። እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ምስ ኢንተርነት ዝራኸባን ካሜራ ዘለወንን ቴለፎናቶም ከምእተመንጠሉ’ውን ገሊጾም። ብዘይካ’ዚ ንምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጽሓፈ፡ 20 ገጻት ዘለዎን ክታሞም ከንብሩሉ ዘለዎም ሰነድ ክርድእዎ ከምዘይክእሉ እቶም ሓተትቲ ዑቕባ ሓቢሮም። ቤትጽሕፈት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ዛጊት ክንደይ ሰባት፡ ነቲ ክጥረዙ ምዃኖም ዝገልጽ ሰነድ ከምእተዋሃቦም ኣየነጸረን። ትካል ግብረሰናይ ‘ኬር4ካለይስ’ ግና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው ከባቢ 100 ሓተትቲ ዑቕባ እቲ መጠንቀቕታ ከም እተዋሃቦም ይገልጽ። ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣምሊጡ ከምዝመጸ ዝዛረብ ሓደ ሶርያዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “ናብ ርዋንዳ ካብ ምዃድ ሞት እመርጽ” ኢሉ። “ነቲ ናብ ርዋንዳ ከም እንጥረዝን ኣብኡ ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ መንበሪ ፍቓድ ከምዝወሃበናን ዝገልጽ ዜና ምስ ሰማዕኹ ንርእሰይ ክሃርም ጀሚረ” ኢሉ። ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብሩክ ሃውስ ዝተገብረ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ኣመልኪትና ንዘቕረብናሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ጥዕናን ድሕነትን ናይቶም ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ዝርከቡ ዝለዓለ ኣቓልቦ ዝወሃቦ እዩ። “ኣብ ገዛእ ርእሶም ጉድኣት ከየብጽሑ ደቂቕ ስጉምቲ ኢና ንወስድ። ነቶም ተኣፈፍቲ ውልቀሰባት ብምልላይ ኣድላዪ ደገፍ ዝገብሩ፡ ሞያውያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ማእከል ኣለው” ይብል። ምጽናት ዓሌት ርዋንዳ፡ "ንቐታሊ ሰብኣየይ ይቕረ ኢለሉ፤ ደቅና ድማ ተመርዕዮም’ "ካብ ቁስልኻ ክትፍወስ ክተፍቅር ኣለካ’’ ኢላ ትኣምን፡ እታ ኣብ እዋን ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ርዋንዳ ንሰብኣያ ንዝቐተለ ሰብኣይ ይቕረ ዝበለት ሰበይቲ፡፡ ምሕረት እታ ኣዶ በዚ ኣየብቀዐን፤ ወዳ ንጓል ቀታሊ ሰብኣያ ክምርዖ ኣፍቂዳ፡፡ በርናደት ሙካካቤራ፡ ኣብቲ ብሰንኪ እቲ ኣብ 1994 ን ኣስታት 100 መዓልቲታት ዝተፈጸመን ኣስታት 800 ሽሕ ህዝቢ ዝተፍጨፉሉን ምጽናት ዓሌት ርዋንዳ፡ ዝተቐያየሙ ማሕበረሰባት ንምትዕራቕ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ፡ መንገዲ ህይወታ ክተካፍል ጸኒሓ፡፡ ‘‘ደቅና ምስቲ ዝተፈጸመ ተግባር ዘራኽብ የብሎምን፡፡ ተፋቒሮም፤ ሰባት ድማ ካብ ምፍቓር ማንም ደው ከብሎም ኣይግባእን’’ ትብል፡፡ ንሳን ሰብኣያን፡ ካብቶም ድሕሪ ካብ ዓሌት ሁቱ ዝውለድ ፕረዚደንት ርዋንዳ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ 6 መጋቢት 1994 ተወቒዓ ምስወደቐት፡ ዒላማ ዝተገበሩ ዓሌት ቱትሲ እዮም ዝውለዱ፡፡ ድሕሪ ሰዓታት ንዓሰርተታት ዓመታት ጽልኢ ክስበኹ ዝጸንሑ ኣሻሓት ተወለድቲ ዓሌት ሁቱ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ዓሌት ቱትሲ ጎረባብቶም ዝተዋደደ ቅትለት ጀሚሮም፡፡ ካብዚኦም ሓደ ስድርኡ ኣብ ምዕራባዊ ሩዋንዳ ጎረቤት በርናደት ዝነበሩ ግራቲየን ኒያሚናኒ እዩ፡፡ ኩሎም ሓረስቶት እዮም ነይሮም፡፡ እቲ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ደው ምስበለን ተቓለስቲ ጉጅለ ቱትሲ ስልጣን ምስሓዙን፡ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ዝነበሮም ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡ ግራቲየን እውን ተኣሲሩ፤ በቲ ጋካካ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገበናት ናይቲ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝምርምር ቤት ፍርዲ እውን ተፈሪዱ፡፡ ኣብቲ ሰሙናዊ ዝካየድ ዝነበረ መጋባእያ፡ እቶም ማሕበረሰባት ነቶም ቀተልቲ ፊት ንፊት ክሙግትዎምን፡ ከሳስን ተኽሳስን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ክዘራረቡን መረዳእታ ከቕርቡን ዝፈቅድ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ 2004 ግራቲየን፡ ንሰብኣይ በርናደት ከመይ ከምዝቐተሎ ብምግላጽ ይቕረታ ሓቲትዋ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ይቕረ ይኹንካ በለቶ፡፡ እዚ ነቲ ክእሰሮ ዝነበረ ናይ 19 ዓመታት ማእሰርቲ ምሕረት ኣውሃቦ፤ ኣብ ክንድኡ ብናይ ክልተ ዓመት ናይ ማሕበረሰብ ኣገልግሎት ተቐጸዐ፡፡ ቅድሚ ዕላዊ ይቕረታ ምሕታቱ ኣብ ቤት ማእሰር ኣብ ዝነበረሉ 10 ዓመታት፡ ስድርኡ ምስ በርናደትን ኣቡኡ እንትቕተል ወዲ 14 ዓመት ዝነበረ ወዳን ንምትዕራቕ ፈቲኖም፡፡ ኣብ እዋን እቲ ጭፍጫፍ ጓል 9 ዓመት ዝነበረት ጓሉ ንግራቲየን ያንኩሪጀ፡፡ ናብ በርናደት እናኸደት ናይ ገዛ ዕዮታት ክትሕግዛ ጀሚራ፡፡ ‘‘ካልእ ዝሕግዛ ሰብ ስለዘይነበራን ኣቦይ ሰብኣያ ስለዝቐተለላን ንኣዶ ኣልፍረድ ኣብ ስራሕቲ ገዛን ማሕረስን እናኸድኩ ክሕግዛ ወሲነ’’ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡ ‘‘ኣልፍረድ፡ ኣነ ንኣዲኡ ኣብ ዝሕግዘሉ እዋን ዘፍቀረኒ ይመስለኒ፡፡’’ ናይታ ቆልዓ ውሳነ ንበርናደት ልባ ተንኪፍዋ፡፡ ‘‘ኣቦኣ ሰብኣየይ ከምዝቐተሎ ተረዲኣ ሓጊዛትኒ፤ ወደይ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ስለዝነበረ ማንም ሰብ ከምዘይብለይ ተረዲኣ ሓጊዛትኒ፡፡’’ ‘‘ልባን ጠባያን ፈትየዮ፤ ነዚ ድማ እየ ሰበይቲ ወደይ ክትከውን ዘይተቓወምኩ፡፡’’ ንግራትየን ግን ቀሊል ኣይነበረን፤ ሕቶ መርዓ ምስቀረበሉ ተጠራጢሩ ነይሩ፡፡ ‘‘ብዙሕ ዝተቐየመ ቤተሰብ ከመይን ንምንታይን ንጓለይ ደልዩ እናበለ ደጋጊሙ ይሓትት ነይሩ’’ ትብል ጓሉ ያንኩሪጀ፡፡ ኣብ መወዳእታ ግን ኣሚኑ ተቐቢሉን ጓሉ መሪቑ ሂቡን፡፡ ‘‘ኣቦኣ ብዝፈጸሞ ነገር ንሰበይቲ ወደይ ዝቕየመሉ ምኽንያት የብለይን’’ ትብል በርናደት፡፡ ‘‘ካብ ማንም ንላዕሊ ስለእትርደአኒ እታ ዝበለጸት ሰበይቲ ወዲ ክተከውን ከምእትኽእል ተሰሚዑኒ፡፡ ንወደይ ከኣ ክምርዐዋ ኣእሚነዮ፡፡’’ እቶም መጻምድቲ ኣብ 2008 ኣብ ሓደ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ተመርዕዮም፡፡ እታ ቤተ ክርስትያን ማሕበረሰባት ክተዓረቑ መሪሕ ተራ ክትጻወት ጸኒሓ እያ፡፡ ሰባት ድማ ነቲ ናይ ዕርቂ መደብ ከምዝተቐበልዎ፡ ኣባ ንጎቦካ ቲዮገን ይገልጹ፡፡ ካልኦት ሃይማኖታት እውን ተመሳሳሊ ስራሕቲ ሰሪሐን እየን፡፡ እተን ኣብያተ ክርስትያናት ሰባት ሓቢርካ ካብ ምንባር ወጻኢ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ተረዲአን እየን ነቲ ምንቅስቓስ ዝገብራ፡፡ ኣባ ንጎቦካ ከምዝገልጽዎ፡ ብዓሌታዊ ጨፍጫፍ ዝኽሰሱ ሰባት ምስ ስድራ ግዳይ ክሳብ ዘይተዓረቑ ክቖርቡ ኣይፍቀደሎምን፡፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዕርቂ እቲ ተኸሳስን ከሳስን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብሓደ ደው ኢሎም እዩ ዝፍጸም፡፡ ‘‘ እቲ ተበዳሊ ከም ምልክት ይቕረታ ኣእዳዉ ናብቲ ተኸሳሲ ይዝርግሕ’’ ይብሉ ኣባ፡፡ ግራቲየን ምስሞተ ድሕሪ መዓልቲታት፡ መበል 28 ዓመት ዝኽሪ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ርዋንዳ ዘኽብሩ ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም፡፡ ኣብዚ መድረኽ እያ በርናደት፡ ወዳ ንጓል ቀታሊ ኣቡኡ ከምዝተመርዐወ ገሊጻ፡፡ ‘‘ሰበይቲ ወደይ ኣዝየ እየ ዝፈትዋ፤ ሰብኣየይ ምስሞተ ንሳ እንተዘይትሕግዘኒ ከመይ ብህይወት ክጸንሕ ይኽእል ነይረ እውን ኣይፈልጥን’’ ኢላ በርናደት፡፡ ፍቕሪ ኣልፈረድን ያኩሪንጀን ካልኦት ሰባት ይቕረ ክበሃሃሉ ጸቕጢ ክፈጥር ከኣ ትጽቢታ ምዃኑ ኣካፊላ፡፡ ዓማዊለይ የፈርሞም እየ' - ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ መንግስቲ ብሪጣንያ ዘውጽኦ መደብ ምስግጋር ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ሩዋንዳ፡ ንዓማዊሉ ዝዓግት ከም ዘይኰነ ሓደ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ሰባት ንቢቢሲ ተዛሪቡ። ጃነ ኮርቢን ኣብ ቱርኪ ንዝርከብ ኣሰጋጋሪ ሰባት ረኺባ ኣዘራሪባቶ ኣላ። ኣብ ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘሎ ሓደ ኣገዳሲ ውልቀሰብ ንምርካብ’የ ናብዚ መጺአ፤ እዚ ብሓደ እሙን መንጐኛ ኣዋርሕ እዩ ወሲዱ። እዚ፡ ብኸመይ ኣሽሓት ስደተኛታት ዕቝባ ንምሕታት ኣብ ገማግም ደቡብ እንግሊዝ ይበጽሑ ዝብል ቢቢሲ ፓኖራማ ዘካየዶ መርመራ እዩ። እዚ ኣሰጋጋሪ ሰባት ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጽአ’ዩ - መንእሰይ፣ ህድእ ኢሉ ዝዛረብን ጽቡቕ ኣከዳድና ዘለዎን እዩ፤ ጸሊም ክዳን ተኸዲኑ ክኣ ረኺበዮ። መንነቱ ዘይንገልጽ እንተዄንና፡ ብዛዕባ ስርሑ ክነግረኒ ምዃኑ ተሰማሚዕና። ዓጀብቱ፡ ኣብ ኣፍደገ 'ቲ ገዛ ኰይኖም ብተጠንቀቕ ይሕልው። ምስግጋር ሰባት ዘይሕጋዊ እዩ ኢለ መጕተዮ። “ዘይሕጋዊ ምዃኑ እፈልጥ'የ፤ ንዓይ ግን ብዛዕባ ሰብኣውነት’ዩ - እዚ ኸኣ ካብ ሕጊ ንላዕሊ’ዩ። ሰባት ኢና ንሕግዝ፤ ብጽቡቕ ንሕዞም፣ ደቂ ኣንስትዮ ነኽብር - ኣይነራኽስን ወይ ዝዀነ ሰብ ኣይንጐድእን” ኢሉኒ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ባሕሪ ሜድትራንያን ኣስታት ክልተ ሽሕ ሰባት ሞይቶም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ሃገሩ ዕቝባ ዝሓቱ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ንምስግጋር ናይ 120 ሚልዮን ፓውንድ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ከም ዝፈረመ ይዝከር። መንግስቲ ብሪጣንያ፡ እቲ መደብ ንግዲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምስባርን ቍጽሪ ሓደገኛ መገዲ መትረብ ኢንግሊዝ ደው ንምባልን ዝዓለመ’ዩ ይብል። ድሮ፡ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ብንኣሽቱ ጀላቡ ነዚ መትረብ ሰጊሮም ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ኣለው። እቶም ኣሰጋገርቲ፡ ኣማኢት ስደተኛታት’ዮም ናብ ብሪጣንያ ዝሰዱ። እዚ፡ ብዙሕ መኸሰብ ዝርከቦ ንግዲ ከም ዝዀነን፡ ልክዕ ከም ሓደ ነጋዳይ ከም ዝንቀሳቐስን እቲ በዓል ታሪኽ ይዛረብ። “ሓደ ውልቀሰብ ድዩ ምሉእ ስድራ ብዘየገድስ - ነፍሲ ወከፍ ሓደ ዓይነት ዋጋ’ዩ ዝኸፍል። ናብ ብሪጣንያ ንምኻድ ብጠቕላላ 17 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ይሓትት።” ስለዚ፡ ኣብተን ኣዝየን ድዅማት ዝዀና ጀላቡ ብሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ክኣቱ ምግባር ብኸመይ’ዩ ዝርእዮ? “ሓደጋ ከጋጥም ይኽእል’ዩ፤ ንኽተርፉ ንነግሮምን ነፈራርሖምን ኢና። ‘እዚ መገዲ ሓደገኛ’ዩ፤ ኣየዋጽእን'ዩ። ክትሞቱ ትኽእሉ ኢኹም’ ኢለ ንወለዶም እውን ይነግሮም’የ“ ይብል። እቲ ጕዕዞ፡ ሓደገኛ ምዃኑ ፈሊጦም ሓላፍነት ንምውሳድ ዝፍርሙዎ ቅጥዒ ክኣ ኣርእዩና። ኢስታንቡል ኣብ መንጐ ኤስያን ማእከላይ ምብራቕን፣ ኣፍሪቃን ኣውሮጳን እትርከብ መእተዊት ኣፍደገ ኰይና፡ ጸሊም ዕዳጋ ምስግጋር ሰባት ኣዝዩ ዝዓመረላ እያ። እቲ ዕዳጋ ኣዝዩ ንሕንሕ ዝበዝሖ’ዩ። ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ኣሰጋገርቲ ብመሰረት እትኸዶ ቦታ ዘለዎም ዝተፈላለየ ዋጋታት ይነግሩ። ንመሸጣ ዝተዳለው፡ ስኑዕ ፓስፖርታትን ፍቓድ መዘወሪ መኪናን ዓዲ ኢንግሊዝ ኣለው። እዚ ኣሰጋጋሪ፡ ዓማዊሉ ኣብታ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ስደተኛታት ዝርከቡላ ከተማ [ኢስታንቡል] ኣብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ይእክቦም። ኣብ ንኣሽቱ ክፍልታት ተኣኪቦም፡ ዝጓዓዝሉ መዓልቲ ክሳብ ዝበጽሕ ንኣዋርሕ ይጽበዩ። ኣባላቱ ክኣ፡ መግብን ማይን የምጽኡሎም። “ኵሉ ነገር ክሳብ ዝዳሎ ኣብ ገዛ ኢና ነጽንሖም። ኵሉ ምስ ተዳለወ ክኣ፡ ፖሊስ ብዛዕባና ንኸይፈልጡ ዝሓዝዎ ተሌፎናት ነሕድጐም” ክብል የብርህ። እቶም ስደተኛታት፡ ብጸልማት ብመኪና ናብ እምባታት ኢስታንቡል ይግዕዙ። ካብዚ፡ ኣብ ሓንቲ ጕጅለ ሽዱሽተ ወይ ዓሰርተ ኰይኖም ኣብ ሜዲተራኒያን ናብ ዝጽበዮም ዘሎ ጃልባ ኣሰጋገርቲ ብእግሪ ይጕዓዙ። እቲ ጕዕዞ፡ ናብ ግሪኽ ወይ ኢጣልያ እዩ ክኸውን። እዚ ኣሰጋጋሪ ሰባት፡ ኣብ ጃልባኡ ሓደ ስደተኛ ከም ዝሞተ ዝቐርብ ክሲ ኣሎ፤ ንሱ ግን ይነጽጐ። ዓሰርታት መንእሰያት፡ ኣብተን ጀላቡ ኰይኖም ብኢዶም ሰላምታ እናሃቡዎ፡ እናመስገንዎ ዘርኢ ቪድዮ ኣርእዩና። እዚኦም፡ ንምስክርነት ዘቕርቦም ጥራይ ዘይኰኑ፡ ኣብቲ ዝደለይዎ ቦታ ምብጽሖም’ውን ዘረጋግጸሎም’ዮም። እቲ ስደተኛታት ንጕዕዞኦም ዝኸፈልዎ ገንዘብ፡ ክሳብ ስድራኦም ወይ መቕርቦም ብደሓን ከም ዝኣተው ዘረጋግጹ፡ ገንዘብ ኣብ ኢድ መንጐኛ’ዩ ዝጸንሕ። እዚ ኣሰጋጋሪ ሰባት ግን፡ ዝያዳ ክኸፍሉ ንዝኽእሉ ዓማዊል ዘጽንሓሉ ኣዝዩ ምቹእ ኣገልግሎት ‘ቪኣይፒ’ ኣለዎ። ድሕሪኡ፡ እቶም ስደተኛታት ብኣውሮጳ ኣቢሎም ናብ ባሕርታት ሰሜን ፈረንሳ - ድሕሪኡ መትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንኽኣትው ይጕዓዙ። እቲ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ኣሰጋጋሪ፡ ዓማዊሉ ናብ ዝኸድሉ ቦታ ንኽበጽሑ ዝተሓጋገዞ ኣብ ከባቢ ካለይ፡ ኣብ100 ኪሎ ሜትሮ ዝሰርሕ ኔትዎርክ ገበነኛታት ኣሎ። “ካብ 10 ክሳብ 20 ሽሕ ዶላር ዝዋግኣ ንእሽቶ ጃልባ ዓዲግና። ሓደ ካብቶም ተጓዓዝቲ ነታ ጃልባ ዝቕልስ እንተዀይኑ ብናጻ ክኸይድ ዕድል ይረክብ። ቀጥ ኢሎም’ዮም ዝኸዱ፤ ካብኡ ኢዶም ንፖሊስ ይህቡ” ኢሉ። ኣብ መንጐ፡ እቶም ዓጀብቱ ስለ ዝሰግኡ ክኸይድ ደልዩ። እቲ ኣሰጋጋሪ፡ ንኣሽቱ ጀላቡ ክገዝእ ንመወዳእታ ግዜ ርእየዮ ነይረ። እቲ ንግዲ ክኣ፡ ዝያዳ እናዓመረ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ። መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ዋላ’ውን ቍጽሪ ናይቶም ናብ ሃገሩ ዝኣትው ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዕጋት ናብ ርዋንዳ ናይ ምግዓዝ መደብ እንተኣውጽአ፡ ብዙሓት ሰባት ሕጂ’ውን መትረብ ኢንግሊዝ ይሰግሩ ኣለው። ኣብ መወዳእታ፡ እዚ ብብሪጣንያ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ መደብ፡ ለውጢ ዘምጽእ ዶ ይመስለካ? ኢለ ሓቲተዮ። “መዓልታዊ ሓደ ሽሕ ሰባት ናብ ርዋንዳ እንተሰደዱ’ውን፡ ሰባት ደው ኣየብሉን እዮም፤ ወይ ንውሳነኦም ኣይቕይሮን። ሞት እንተዘይፈሪሖም፡ ናብ ርዋንዳ ምኻድ ኣየፍርሖምን እዩ።” ኤርትራ ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ንዝመልስ 'ሕሱርን ዘይሞራላዊ' ውጥን ብሪጣንያ ነቒፋ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝተኣወጀ ውጥን ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ "ሕሱርን ዘይሞራላውን" ክብል ነቒፍዎ። ሚኒስትሪ ዜና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ርዋንዳ'ውን ንገንዘብ ክትብል ኣካል ናይቲ መደብ ምዃና "ክኹነን" ዘለዎ'ዩ ኢሉ። "እዚ ንግሉጽ ገንዘባዊ ረብሓ: ብምትሕብባር ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝካየድን ሕሱርን ዘይሞራላውን ውጥን ኩሉ ክኹንኖን ክቃወሞን ኣለዎ" ይብል እቲ መግለጺ። ነቶም ዝሰጋገሩ ስደተኛታት ንምድጋፍ ዝውዕል 120 ሚልዮን ፓውንድ ንርዋንዳ ክወሃባ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብ ገማግም ፈረንሳ ብጃላቡን ዓበይቲ መካይንን ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ምጽንሖም ይፍለጥ። ብሪጣንያ ነቲ ዋሕዚ ንምዕጋት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኣወጀቶ ሓድሽ ፖሊሲ ምስግጋር ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ፡ ብቐንዱ፡ ብጀላቡን ዓበይቲ መካይንን ተጻዒኖም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው'ሞ ዘይምርዑዋትን ደቂ ተባዕትዮን ዘተኩር እዩ። ኤርትራ ኣብ ዘውጽኣቶ ተቓውሞ፡ እቲ ፖሊሲ ንጠንቅታትን ባህርያትን ዝደፍን'ዩ ብምባል፡ "ኣብ ርእሲ'ቲ ብዘየድሊ ኣጀንታታት ዝውላዕ ቀጻሊ ግጭታትን ኲናትን፡ ገለ ሃገራት ንካልእ ፖለቲካዊ ዕላማታት ክብላ ኣንጻር ገለ [ካልኦት] ሃገራት "ስትራተጂካዊ-ምጉሕጓሕ ህዝቢ ይኽተላ" ኣለዋ ክትብል ከሲሳ። ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ከምዝብልዎ ግን፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ፖሊሲ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምግሃስ መሰላትን ገለ ካብ ቀንዲ ጠንቂታት ዋሕዚ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም። ሓያል ተቓውሞን ነቐፌታን ዘስዓበ ውጥን ልዕሊ 160 ዝኾና ማሕበራት ተሓለቕቲ መሰላት ነቲ "ጨካን" ዝበልኦ ውጥን ብምቅዋም፡ መንግስቲ ዳግማይ ክሓስበሉን ክስርዞን ይጽውዓ ኣለዋ። መራሒ ብሪጣንያዊት ኣንግሊካን ቤተ-ክርስትያን ሊቀ-ጳጳስ ጃስቲን ወልቢ ብወገኖም፡ ብኣጋጣሚ በዓለ ትንሳኤ (ኤውሮጳ) ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ውጥን "ዓቢ ሞራላዊ ሕቶታት" ዘለዓዕል'ዩ ክብሉ ነቒፎሞ። እቲ ስጉምቲ "ካብ ሓላፍነትና ዘጉድል'ዩ" ብምባል፡ "ኣብ ፍርዲ ኣምላኽ ዝቐውም" ኣይኮነን ኢሎም። ተቓወምቲ ሰልፍታትን፡ ገለ ኣባላት ባይቶ ገዛኢ ሰልፊ ዓቃባውያንን'ውን ነዚ ውጥን ዘለዎም ተቓውሞታት ይገልጹ ኣለዉ። እዞም ነቐፍቲ፡ ካብቲ ዘቕርብዎ ዘለው ምኽንያታት ሓደ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ርዋንዳ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብብሪጣንያ ከይተረፈ ተላዒሉ ዝነበረ፡ ኣብታ ሃገር ዝፍጸም፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ምስዋርን ምስቓይን ሰባት ከም መከራኸሪ የቐምጡ። ነቲ ፖሊሲ ዝሃንደሰትን ትምርሕ ዘላን ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል ግን፡ እቶም ብመንግስቲ ወጺኡ ንዘሎ ውጥን ምስዳድ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ዝነቕፉ ዘለው፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝሓሸ መፍትሒ ከቕርቡ ከምዘይከኣሉ ተመሊሳ ትወቅስ። ንሳ፡ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ርዋንዳ ብሓባር ኣብ መጽሔት 'ዘ-ታይምስ' ኣብ ዝጸሓፈቶ ዓንቀጽ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ውጥን፡ ነቲ ቀታሊ ዝዀነ ንግዲ ምስግጋር ደቂሰብ ክገትእ ዝኽእል ውሕሉል ፍታሕ ምዃኑ ትምጕት። ዝዀነት ኣብ ሰብኣውነት እትግደስ ሃገር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ስቓይ ደቂሰብ እናረኣየት ክቕጽል ኣይትፈቅድን እያ ድማ ይብሉ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳውዝ ባንክ ለንደን ዳይረክተር ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታት ንዝኾነ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ውሳነ ክወስድ ዘገደዶ ቑጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትው ስደተኛታት ይወስኽ ብበል እንተኾነ ካልኦት ውሽጣዊ ሕንፍሽፍሻት ዘንቀልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ዘርህ። "ብዓቢኡ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ግዜ ዕጽዋ ሕጊ ኮቪድ ብምጥሓሱ ዝተበየነሉ መቕጻዕትን ካብ ስልጣኑ ንክወርድ ዝበጽሖ ዘሎ ጸቕጥን ንምርስሳዕ ይጥቀመሉ ኣሎ" ክብል ይነቅፍ። ንስደተኛታት ሓተትቲ ዕቑባን ኣብ ዝሕግዝ ብሪስቶል ሆስቲሊቲ ኔትዎርክ እትሰርሕ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ተቐማጢት ዓዲ ኢንግሊዝ ኤርትራዊት ሄለን ኪዳነ፡ እቲ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ካብ ዝተፈጥረ ግጉይ ርድኢት ዝምንጩ'ዩ ብምባል ትቃወሞ። "እቶም ስደተኛታት ዝሓሸ ገዛ፣ ዝሓሸ ስራሕ፣ ዕድል ትምህርቲ ንምርካብን ጽቡቕ ናብራ ንክነብሩን እምበር ናይ ብሓቂ ስደተኛ ኮይኖም ኣይኮነን፤ ከነፍቕደሎም የብልናን" ዝብል ኣረዳድኣ ምሓዞም እዩ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕን ሞያዊ ኣገልግሎትን ተዋፊሮም ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘበርክትዎ እጃም ክሳብ ክነደይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይርኣይን ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ግጉይ ምስሊ ከም ዝተፈጥረ ትዛረብ። ውጥን ስደተኛታት ርዋንዳ ብኸመይ እዩ ክትግበር? ዙር ርዋንዳ 2022፡ ሓጺር ታሪኹን ንዕውታት ዝወሃብ ሽልማትን ዙር ርዋንዳ ብወግዒ ኣብ 1988'ኳ እንተጀመረ፡ ንሰለስተ ዓመታት ብተኸታታሊ ድሕሪ ምክያዱ ካብ 1991 ክሳብ 2000 ብሰንኪ እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝነበረ ኵናት ሓድሕድን ንሱ ዘስዓቦ ዘይርጉእነት ናይታ ሃገርን ክካየድ ኣይክኣለን። ኣብ 2001 ዳግማይ ብምጅማር ክሳብ 2008 ንጎረባብቲ ሃገራት ርዋንዳ ጥራይ እዩ ዘሳትፍ ነይሩ። ከም መርኣይኡ እንትርፎ እቲ ኣብ 2006 ነቲ ውድድር ዝተዓወተሉ ኬንያዊ ፔተር ካማኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝተረፈ ኩሉ ርዋንዳውያን እዮም ተዓዊቶምሉ። ነቲ ውድድር ካብ 2002 ክሳብ 2005 ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ ዓመት ከምኡ'ውን ኣብ 2007 ዝተዓወተሉ ርዋንዳዊ ኣብርሃም ርሁማሪዛ ከኣ ልዕሊ ዝኾነ ጸብለል ኢሉ ንረኽቦ። ዙር ርዋንዳ ክሳብ 2008 ዞባዊ ውድድር ኮይኑ ጥራይ ውድድራት ከሰላስል ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2008 ብዩሲኣይ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ናይ 2.2 መለክዒ ሒዙ ክካየድ ጀሚሩ። 'ቱር ዲ ርዋንዳ' ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እቲ ውድድር ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ንሃገራት ብሩንዲ፣ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ጥራይ የሳተፍ ምንባሩ ይሕብር። ኣብቲ እዋን ፕረዘደንት ሃገራዊ ፌደሬሽን ቅድድም ብሽክለታ ርዋንዳ ኮይኑ ዝተመረጸ ባይንጋን ዳይሬክተር ቴክኒክ እቲ ፌደረሽን ጆክ ቦየርን ብሓባር ብምዃን ነቲ ውድድር ዓለምለኻዊ መልክዕ ንኽሕዝ ከም ዝሰርሑ'ውን እቲ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ። ካብ 2008 ጀሚሩ ኸኣ ሓደ ካብ ዝበለጹ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክኸውን ግዜ ኣይወሰደሉን። ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ተሳተፍቲ ጋንታታት ካብ ኣፍሪቃ ጥራይ ከይተሓጸራ ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ክመጽኣ ጀሚረን። ከም መርኣይኡ'ውን ኣብቲ ዙር፡ ውድድራት እናሓየለ ክኸይድን እቲ ብርዋንዳውያን ተዓብሊሉ ዝነበረ ዓወታት ኣብ 2009 ሞሮካዊ ዓደል ጃሉል፣ ኣብ 2010 ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፣ ኣብ 2011 ኣመሪካዊ ከይል ረይጀንን፣ ኣብ 2012 ከምኡ'ውን 2013 ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዳረን ሊልን ድይላን ግሪድልስቶን ክዕወትሉ ክኢሎም። ዙር ርዋንዳ ካብ 2008 ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ተኸሊሱ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ሓደ ኢሉ ምቁጻር ብምጅማር ድማ'ዩ ሎሚ ዓመት ንመበል 14 ግዜ ዝካየድ ዘሎ። ን10 ዓመታት ደረጅኡ ኣብ 2.2 ኮይኑ ውድድሩ ዘካየደ ዙር ርዋንዳ 2019 ናብ ካልእ ሓዲሽ መድረኽ ዝሰገረላ ዓመት እያ ነይራ። ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት ቅድድም ብሽክልታ፡ ዙር ትሮፒካል ኣሚሳ ባንጎ [ዙር ጋቦን] እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 [race category] መለክዒ ዝተውሃቦእዩ። እዚ ኣብ 2008 ካብ 2.2 ናብ 2.1 ዝተሰጋገረ ዙር ጋቦን፡ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ጥሪ ዝካየድ ውድድር ኮይኑ፡ እቲ ወቕቲ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ውርጪ ዝበዝሓሉ እዋን ስለ ዝኾነ ዳርጋ ኩሎም ኣብ ኣውሮጳ ዝመደበሮም ተቐዳዳምቲ ብሽክለታ ክሳተፍዎ ይርኣዩ'ዮም። ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ዘለዎ ጽፉፍነት ምሕደራ፡ ናይ መወዳደሪ ቅርጺ መሬትን ካልእ መሰራታዊ ቅጥዕታትን ብዩሲኣይ ተራእዩ ካብ 2.2 ናብ 2.1 መለክዒ ምስ ተሰጋገረ ኸኣ ልክዕ ከም ዙር ጋቦን ተሳተፍቲ ጋንታታት ብብዝሐን ብዓይነትን ክውስኻ ተራእየን። ብዘይካ እዚ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ብዩስኣይ ኣብ 2008 ናይ 2.1 መልክዒ ዝተውሃቦ ዙር ጋቦን[ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ካልኣዩ ክኸውን ክኢለ፡ ክሳብ ሕጂ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ክልቲኡ ዘራት ጥራይ'ዩ ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መለክዒ ረኺቡ ዘሎ። ዙር ርዋንዳ ናብ 2.1 ምስ ተሰጋገረ ኣብ ዘካየዶ ሰለስተ ዙራት፡ ኣብ 2019 ምስ ጋንታ ኣስታና ዝወዳደር ዝነበረ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2020'ውን ብተመሳሳሊ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ክኸውን ክኡሉ። ኣብ 2021 ኣብ ዝተኻደ ዙር ርዋንዳ ዝተዓወተ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ ስጳኛዊ ክርስትያን ሮድሪገዝ ክኸውን እንከሎ፡ ክርስትያን ሮድሪገዝ ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወተሉ ቀዳማይ ኣውሮጳዊ እዩ። ርዋንዳ ኣብ 2025 ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ከተአንግድ ስለ ዝተረቑሐት ኸኣ ንውድድር ዙር ርዋንዳ ዝያዳ ክብርን ኣቓልቦን ንኽውሃቦ ዝድርኽ ኣጋጢሚ ኮይኑ ይርከብ። ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝውሃቦም ገንዘባዊ ሽልማት ይኹን ወርሓዊ ደሞዝ ምስ ካልእ ዓይነታት ስፖርት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ብዙሓት ዝሰማማዕሉ ሓቂ'ዩ። እቲ ምኽንያት ኸኣ ዋሕዲ ምወላን፡ እቲ ውድድር ልክዕ ከም ኵዕሶ እግሪን ካልእን ከፊልካ ዘይርአ ምዃኑን ከም ምኽንያት ይቐርብ። ኮይኑ ግን ንዕዉታት ሽልማት ይውሃብ እዩ፡ ናይ ዙር ርዋንዳ ከም ኣብነት እንተወሲድና እታ ሃገር ወይ ነቲ ውድድር ዝሽልም ኣካል ብሓፈሻ 48.5 ሚልዮን ፍራንክ ርዋንዳ [51 ሽሕ ዶላር] እዩ ንሽልማት ዝስልዕ። እዚ ምስቲ 21 መድረኻት ዘለዎን 2,288,450 ዩሮን ዝስልዕን ቱር ዲ ፍራንስ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። በዚ መሰረት፥ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ እንድሕር ወሲድና ኣብ ነፍሲ ወከፍ መድረኽ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 20 ንዝወጽኡ ዝውሃብ ሽልማት ብድምር 28,650 ዩሮ ኮይኑ ንቀዳማይ 11 ሽሕ ዩሮ ንኻልኣይ 5500 ዩሮ ከምኡ እናበለ ንመበል 14 ዝወጽአ 340 ዩሮ ካብ 15 ክሳብ 20 ንዝወጽኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፎም 300 ዩሮ ይውሃቦም። ዙር ርዋንዳ ራብዓይ መድረኽ፡ ሰለስቲኦም ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት ሸሞንተ ኣትዮም ኣብዚ ናይ ሎሚ ውድድር መይን ከንት ንውድድሩ ሰልስተ ሰዓት፡ 17 ደቒቕን 40 ካልኢትትን እዩ ዛዚሙ። ወዲ ጋንታኡ ንመትከል እዮብ: ቡድያክ ኣናቶሊ ካልኣይ፡ ቦይለው ኣላን ካብ ቢ ኤንዲ ቢ ሆቴልስ ሳልሳይ: ተቐዳዳማይ ተረንጋኑ ፖሊጎን መትከል እዮብ ሰለስተ ካልኢት ድሒሩ ራብዓይ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ባይክ አይድ ከምኡ'ውን ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጂካቶሊ ብተመሳሳሊ ሰለስተ ካልኢት ጥራይ ከሲሮም ሻዱሻይን ሻሙናይን ወጺኦም። ኣፍኮን 2021፡ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ዳኛ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ርዋንዳዊት ሳሊማ ሙካንሳንጋ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ናይ ማእከል ዳኛ ኮይና ክተጻውት ዝተመረጸት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና። ሳሊማ፡ ኣብቲ ካብ 9 ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ካሜሮን ዝካየድ ዘሎ 24 ሃገራውያን ጋንታታት ዝሳተፋሉ ዘለዋ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር እያ ክትዳኒ ተሓርያ ዘላ። ጓል 33 ዓመት ሳሊማ ሙካንሳንጋ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ናይ ማእከል ዳኛ ኮይና ንእትመርሖ ጸወታ ንምርኣይ ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ኸኣ ርዋንዳውያን ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ኣለዉ። ሳሊማ ሙካንሳንጋ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020፡ ኣብ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ውድድር ኮንፈደረሽን ኣፍሪካን፡ ኣብ ቻምፕየንስ ሊግ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ርዋንዳ ንዝካየድ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድራት ብብቕዓት ዝዳነየት ጓል ኣንስተይቲ'ያ። ማዕከናት ዜና ርዋንዳ ሳሊማ ሙካንሳንጋ፡ ካብ ብንእሽቶኣ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲት ኩዕሶ ሰኪዔት ናይ ምዃን ድሌትን ሃረርታን ከምዝነበራ ብምግላጽ ካብ ቅድሚ 15 ዓመት ጀሚራ ግን ኣብ ምድናይ ኵዕሶ እግሪ ክትነጥፍ ምጅማራ ኣቃሊሐን። ካልኣይ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ዘስግኣ ርዋንዳ ንዋና ከተምኣ ዳግማይ ናብ ምሉእ ዕጽዋ አእትያታ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘስግኦ መንግስቲ ርዋንዳ ዋና ከተማ'ታ ሃገር ዝኾነት ኪጋሊ ን15 መዓልታት ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ክትጸንሕ ወሲኑ። እታ ሃገር ነዚ ውሳነ ዘሕለፈት ኣብዚ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ "ቅድሚ ሎሚ ዘየጋጠማ ሞትን ልዑል መጠን መልከፍትን" ክረኣይ ብምኽኣሉ'ዩ። ኪጋሊ ናብ ዕጽዋ ክትኣትው፤ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ካብ ዝተረኣየሉ እዋን ጀሚሩ ምስዚ ናይ ሎሚ ንኻልኣይ ጊዜኣ ምዃኑ ተፈሊጡ። መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ን45 መዓልታት ዝጸንሐ ዕጽዋ ኣብ ምሉእ'ታ ሃገር ደንጊጉ ነይሩ። ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ ብዘይካ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ዝህቡ ኣካላት፤ ካልእ ሰብ ካብ መንበሪ ገዛ ወጻኢ ንዝገብሮ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ፍቓድ ፖሊስ ክረክብ ከምዝግደድ ኣጠንቂቑ። ካብን ናብን ኪጋሊ፣ ግዝኣታትን ኣውራጃታትን ዝግበር ምንቅስቓስ ብዘይካ ንኣገዳሲ ስራሕን ንቱሪዝምን ንኻልእ ጉዳይ ተኣጊዱ'ሎ። በጻሕቲ ዓዲ'ውን ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ ሕክምና ወረቐት ምስክር ክሕዙ ከምዘለዎም ተወሲኑ። ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ክቋረጽ ዝተገበረ ኮይኑ፤ ኣገዳሲ ኣግልግሎት ዝህቡ ጥራይ እንተዘይኮይኖም ኩሎም ኣብ መንግስታውን ውልቀን (ብሕቲን) ትካላት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ካብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ከምዝግደዱ እቲ መምርሒ ዕጽዋ የመልክት። ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ትካላት ትምህርትን'ውን ተዓጽየን ክጸንሐ እየን። መንግስቲ ብደረጃ ሃገር ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እቶ እቶ (ሰዓት ሕላፍ) ድማ ካብ ኣጋግዘ ሰዓት 6፡00 [12፡00 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 04፡00 [10፡00] ክኸውን ኣማሓይሹ። ኣብታ ሃገር ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ዘሎ ኮይኑ፤ ሓድሽ ዓመት 2021 ካብ ዝኣትው ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ካብ ዝተመዝገበ ሓድሽ መልከፍቲ እቲ 61 ሚኢታዊት ኣብ ከተማ ኪጋሊ ምዃኑ ሰብ መዚ ይሕብሩ። መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘመልክቶ ረዋንዳ ዛጊድ 11,259 መልከፍትን 146 ሞትን ኣመዝጊባ'ላ። ዙር ርዋንዳ 2020፡ ኢትዮጵያዊ ክንፈ ሃይለሚካኤል ተዓዋቲ ካልኣይ መድረኽ ኮይኑ ሎሚ ሰኑይ ካብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ናብ ሁየ ዝተኻየደ 120.5 ኪሜ ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2020፡ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ፕሮቪንስ፡ ክንፈ ሃይለሚካኤል ተዓዊቱ። ብተመሳሳሊ ግዜ ዝኣተው ተቐዳዳሚ ጋንታ ኣንድሮኒ ጆካቶሊ ኮሎምብያዊ ጆናታን ሬስትሬፖ ካልኣይ፡ ተቐዳዳሚ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ኮይኖም ዛዚሞም። ኤርትራውያን ተቐዳዳምቲ ሲራክ ተስፎም [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ]፡ መክሰብ ደበሳይ [ባይክ ኤይድ]፡ ከምኡውን ናትናኤል ተስፋጽዮን [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] ካብ ሓሙሻይ ክሳብ ሻብዓይ ተሰሪዖም ኣትዮም። ምስ ቲኤስጂ ሳይክሊን ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ መትከል እዮብ ዓስራይ፡ ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሃይለመለኮት ሃይሉ መበል 11 ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ሓምላይ ማልያ ዝለበሰ ሄኖክ ሙሉብርሃን መበል 14 ኮይኖም ግዜ ከየጥፍኡ ውድድሮም ዛዚሞም። ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ተቐዳዳሚ ጋንታ ቪኖ ኣስታና ሞቶርስ የቭጌኒ ፌደሮቭ ብ 5 ሰዓት 48 ደቒቕን 20 ካልኢትን ብጫ ማልያ ክዕቅባ ከሎ፤ ኤርትራውያን ሄኖክ ሙሉብርሃንን ቢንያም ግርማይን፡ 15ን 18ን ካልኢት ድሒሮም፤ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ይስዕብዎ ኣለው። ብሓፈሻ ናትናኤል ተስፋጽዮን [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] ሻድሻይ፡ ኢትዮጵያዊ ክንፈ ሃይለሚካኤል [ኒፖ ደልኮ ፕሮቪንስ] ታሽዓይ፡ መክሰብ ደበሳይ [ባይክ ኤይድ] ዓስራይ ኮይኖም ተሰሪዖም ኣለው። ተዓዋቲ ናይዚ መድረኽ ክንፈ ፈላሚ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ምዃኑ ጋንትኡ ብትዊተር ገሊጻ። ቅድሚ ሕጂ፡ ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ በረኸት ደሳለኝ ተዓዋቲ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2018 ኮይኑ ምንባሩ ይዝከር። ንመበል 12 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ዙር ርዋንዳ 2020 ትማሊ ሰንበት'ዩ ኣብ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ተኸፊቱ። ኣብቲ 114 ኪሜ ዝሸፈነ ካብ ርእሰከተማ ኪጋሊ ተበጊሱ ርዋማጋና በጺሑ ኣብ ኪጋሊ ዝተዛዘመ ቀዳማይ መድረኽ እቲ ውድድር ካዛኪስታናዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስታና ሞቶርስ የቭጌኒ ፈደሮቭ ተዓዊቱሉ። ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሄኖክ ሙሉብርሃን 15 ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ክኣቱ ከሎ፡ ምስ ጋንታ ኒኮ ደልኮ ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሰለስተ ካልኢት ጸኒሑ ሳልሳይ ኮይኑ ዛዚሙ። ተቐዳዳሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ቀዳማይ 26 ካልኢት ድሒሩ ሻብዓይ ኮይኑ ብምእታው ምስ ዓሰርተ ቀዳሞት ዛዚሙ ኣሎ። መክሰብ ደበሳይ [ባይክ ኤይድ] መበል 12፡ ዳዊት የማነ [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] መበል 15፡ ሲራክ ተስፎም [ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ] መበል 20፡ ኢትዮጵያዊ ክብርኣብ ተስፋይ [ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ] መበል 24 ኣትዮም። ብደረጃ ጋንታ ቪኖ ኣስታና ቀዳመይቲ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካልኣይቲ፡ እስራኤል ስታርት-ኣፕ ኔሽን ሳልሳይ ተርታ ሒዘን ናብ ቅድድም ካልኣይ መድረኽ ወሪደን ኣለዋ። ተቐዳዳማይ የቭጌኒ ፈደሮቭ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ብዘመዝገቦ ዓወት ናይ ግዜ፡ ናይ ዓቐብ፡ ቮላታን ንዝነኣሰ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ዝወሃቡ ማልያታት ክለብስ ከሎ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ንብሉጽ ኣፍሪቃዊ ዝወሃብ ሓምላይ ማልያ ለቢሱ ኣሎ። ሎሚ ዝካየድ ካልኣይ መድረኽ ውድድር ካብ ኪጋሊ ናብ ሁየ ዝካየድ ኮይኑ 120 ኪሜ ዝሽፍን፡ ዓቐብ ቁልቁለትን ጎላጉልን ዘለዎ ክኸውን እዩ። እቲ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ክሳብ 1 መጋቢት ዝቕጽል ውድድር፡ ናይ 2.1 መዓቀኒ ዘለዎ ዓለምለኻዊ ውድድር እዩ። ኣብዚ ውድድር ካብ 26 ሃገራት ዝመጽኡ ኣብ 16 ጋንታታት ዝተጠርነፉ 80 ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለው። ኣብቲ ውደድር ርዋንዳ 15 ተጻወትቲ ብምስላፍ ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ከላ፡ ትሽዓተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ይሳተፉ ኣለው። ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሞን እትእለይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ሲራክ ተስፎም፡ መሓሪ ተወልደን ዳዊት የማነን ኣሰሊፋ ኣላ። ብዝይካ'ዚ መኽሰብ ደበሳይ ምስ ባይክ ኤይድ፡ መትከል እዮብ ምስ ቲኤስጂ ሳይክሊን፡ ቢንያም ግርማይ ምስ ኒፖ ደልኮ ከምኡውን ኤርትራዊ ሽወደናዊ ዓወት ዓንደመስቀል ምስ ጋንታ እስራኤል ስታርት-ኣፕ ኔሽን ብምዃን ኣብቲ ውድድር ይሳተፉ ኣለው። ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ'ውን ተመስገን ቡሩ፡ ነጋሲ ኣብርሃ፡ ሃይለመለኮት ሃይሉ፡ ክብረኣብ ተስፋይን ፊልሞን ዘርኣብሩኽን ኣሰሊፋ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ኣላ። ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያውያን ሃፍተኣብ ወልዱ ምስ ጋንታ ፕሮታች፡ ከምኡውን ሙሉ ሃይለሚካኤል ምስ ጋንታ ኒፖ ደልኮ ብምዃን ኣብቲ ውድድር ይሳተፉ ኣለው። ንዓስራይ ግዜ ኣብዚ ውድድር ዝሰተፍ ዘሎ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ጋንታ ባይክ ኤይድ፡ ሓሙሽተ ግዜ ናይ መድረኽ ተዓዋቲ ብምዃኑ ዝብዝሕ ናይ መድረኽ ዓወታት ዘለዎ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ይሳተፍ ኣሎ። ነዚ ውድድር ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2010 ድማ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ተዓዊቶምሉ ነይሮም። ካብ 2014 ክሳብ 2018 ግና ብርዋንዳውያን እዩ ተባሒቱ። ኣብ ኣፍሪቃ ናይ 2.1 መዓቀኒ ዘለዎም ውድድራት ዙር ርዋንዳን ዙር ጋቦንን ጥራይ እዮም። ኣብ ርዋንዳ፡ ህዝባዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ነፍሰጾራት ተጀሚሩ ኣብ ርዋንዳ ፈላሚ ህዝባዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ነፍሰጾራት ተጀሚሩ። ኣብቲ ንመጀመርታ እዋን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኻየደ ስፓርታዊ ምንቅስቓስ ዝተሳተፋ ነፍሰጾራት፡ ነቲ መደብ ከም ዝፈተውኦ ብምግላጽ፡ ሰብመዚ ክቐጽልዎ ኣለዎም ክብላ ንቢቢሲ ሓቢረን። ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኪጋሊ ዝተኻየደ ፈላሚ ምንቅስቓስ ልዕሊ 100 ጥኑሳት ተሳቲፈን። ነቲ ተበግሶ ዝወሰዱ ወደብቲ ኣካላት፡ ዕላማ ናይቲ መደብ "ኣብ ልዕሊ ኣካላት ነፍሰጾራት ዘሎ ኣረኣእያ ንምቕያር'ዩ" ክብሉ ገሊጾም። ብዙሓት ርዋንዳውያን፡ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ምስ ጠነሰት፡ ኩሉ ኣካለዊ ምንቅስቓስ ደዉ ከተብል ኣለዋ ኢሎም ከም ዝኣምኑ፡ ነቲ ተበግሶ ዝወሰደ መራሒ ሓደ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ዝኾነ ኔልሰን ሙካሳ ተዛሪቡ። "ዘይምንቅስቓስ፡ ንዓኣን ነቲ ተሰኪማቶ ዘላ ዕሸልን ሓደገኛ ምዃኑ ሰባት ክፈልጡ ኣለዎም" ድማ ይብል ሙካሳ። ኣብቲ ቀዳማይ መደብ ዝተሳተፈት፡ ናይ 8 ወርሒ ጥንስቲ፡ ሊበሪ ኡውዘዪማና፡ ኣብ እትጠንሰሉ እዋን ተንቀሳቒሳ ከም ዘይትፈልጥ ንቢቢሲ ገሊጻ። "ከምኡ ምግባር ሰለዘይለመድኩ፡ ኣዝየ ደኺመ ኣለኹ። ግና ምስ ካልኦት ጥኑሳት ምስርሐይ ደስ ኢሉ" ትብል። ናይ ሸውዓተ ወርሒ ጥንሲ ዝሓዘት፡ ሩት ንቱካቡምወ ብወገና፡ ብቀጻሊ ክትሳተፍ ከም እትደሊ ትዛረብ። "ጽቡቕ'ዩ፡ ምስርሐይ ደስ ኢሉኒ። ምንቅስቓስ ናይቲ ቆልዓ ድማ ጽቡቕ ከም ዝስማዓኒ ጌሩ" ኢላ። ሓኪም ደቂ ኣንስትዮ (ጋይናኮሎጂስት) ዝኾነ ዶ/ር ጂን ንዪሪንክዋያ፡ ነተን ኣብ ናይ ውልቁ ክሊኒክ ዝመጻ ነፍሰጾራት፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብራ'ዩ ዝመክር። "ብእግርኻ ምኻድ፡ ምሕንባስን፡ ኣካለዊ ምንቅስቓስ ምግባርን፡ ኣሉታዊ ጽልዋ የብሎምን" ይብል ዶ/ር ንዪሪንክዋያ። ወዳቢ ናይቲ ተበግሶ፡ ነተን ጥኑሳት ክሃስየን ዘይክእል ዝበልዎ ዓይነት ምንቅስቓሳት ከም ዝመረጹ ተዛሪቡ። ንሱ፡ ደቂተባዕትዮ'ውን ንጥኑሳት መጻምድቶም ኣሰኒዮም ኣብቲ ምንቅስቓስ ክሳተፉ'ዩ ዝዕድም። ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ካብ ርዋንዳ ናብ ሰላልሰይቲ ሃገር ግዒዞም ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሩዋንዳ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝተሰጋገሩ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ርዋንዳ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ሎሚ ከባቢ 28 ስደተኛታት ንስዊድን ከምዝኸዱን ካልኦት 5 ድማ ጽባሕ ሮቡዕ ናብ ከናዳ ከምዝኸዱን ገሊጹ። እዚ ናይ ምስግጋር መስርሕ፡ ካልኦት ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ተታሒዞም ዘለው ተወሰኽቲ ስደተኛታት ክወስዱ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ'ውን እቲ ትካል ገሊጹ። ርዋንዳ፡ ከባቢ 500 ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሊብያ ክትቅበል ተሰማሚዓ እያ። በቲ ስምምዕ መሰረት ድማ ርዋንዳ ሰለስተ ግዜ ንሓደጋ ተቓሊዖም ዝነበሩ ስደተኛታት ከምዝተቐበለት ይዝከር። መንግስቲ ኖርወይ'ውን ካብ መዳጎኒታት ሊብያ ወጺኦም ኣብ ሩዋንዳ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 600 ስደተኛታት ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። እዞም ስደተኛታት፡ ናብታ ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ዞባ ቡጎሴራ ግዒዞም ኣብ ጋሾራ ዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት'ዮም እዮም ዘለው። ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ፡ ኣስታት 4,700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ይርከቡ። ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ተወሊዑ ዘሎ ሕድሕድ ውግእ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ይነብሩ ከምዘለው ይግለጽ። ኣብ ዶላር ዘላ ዓይኒ፡ ምልክት 'ኢሉምናቲ' ድያ? ኣብ ዳሕረዋይ ገፅ ዶላር ኣሜሪካ ትርከብ ዓይኒ ኣስተውዒልኩምዋ'ዶ ትፈልጡ? እዛ ኣብ ውሽጢ ስሉስ ኩርናዕ ወይ ፒራሚድ ዝተቐመጠትን ብብርሃን ዝተኸበበትን ዓይኒ ኣብ ብዙሕ ፊልምታትን መጻሕፍቲን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስትያን ሜሶኒክ ህንጻታት እውን ትርአ ምልክት እያ። እዛ ምልክት ዓይኒ ምስቲ ኣብ ትሕቲኣ ዘሎ ፒራሚድ ተደሚሩ፡ ጥንታውን ስውርን ኣምልኾ ትሕብር ኣርማ ትመስል። ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ሚስጥራዊ ማሕበራትን ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ከምትተኣሳሰር ይኣምኑ። ንኣብነት ምስ ፍሪሜሶንን ከምኡ’ውን ምስ እቲ ኣጠራጣሪ ሓቅነት ዘለዎን ዓለምና ክቆጻጸሩ ዝደልዩ ሓያላት ኣባላት ኣለዎ ዝበሃል ኢሉሚናቲን ትተኣሳሰር እያ ዝብሉ ሰባት ሒደት ኣይኮኑን። ብጭቡጥ ግን፡ እዛ ዓይኒ እንታይ ትርጉም ኣለዋ? ብድሕሪ እዛ ምልክት ናይ ብሓቂ ውዲት ኣሎ ድዩ? መበቆል እዛ ዓይኒ ስለምንታይ እዩ ክሳብ ክንድዚ ዝምስጠና? እዛ ምልክት ዓይኒ ዝተፈላለየ ናይ እንግሊዝኛ መጸውዒ ስም ኣለዋ፤ ‘ዚ ኦል ሲይንግ ኣይ’ (the All-Seeing Eye)፣ ‘ዚ ኣይ ኦቭ ሆረስ’ (the Eye of Horus)፣ ‘ዚ ኦል ሲይንግ ኣይ ኦቭ ጋድ’ (the All-Seeing Eye of God)፡ ‘ዚ ኣይ ኦቭ ፕሮቪደንስ’ (the Eye of Providence) ገለ ካብቶም መጸውዒታት እዮም። መበቆል እዛ ዓይኒ ፈለማ ክርስትያናዊ ምልክት እዩ ነይሩ። ካብ መበል 16 ዘመን ጀሚሩ ኣብ ሃይማኖታዊ ስነ-ጥበባት ንኣምላኽ ትውክል ምልክት ኮይና ትቐርብ ነይራ። ካልእ እታ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1593 ዝተሓትመት 'ኢኮኖሎንጊያ' [Iconologia] እትበሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ዳሕረዎት ሕታማታ፡ እታ ዓይኒ ከም ምልክት ባህሪ ስብእና ‘መለኮታዊ መንፈሳዊ ሓይሊ ክንክን’ (Divine Providence) ወይ ድማ ከም ምልክት ምሕረት እግዚኣብሄር ዝሓዘት ነይራ። ከምቲ እቲ ስምን ቀዳሞት ኣጠቓቕምኣን ዝሕብርዎ፡ እታ ስእሊ ዓይኒ፡ ኣምላኽ ርህራሄ ዝመልኦ ንቑሕ ሓላዊ ደቂ ሰባት ምዃኑ ንኸተመልክት እያ ተማሂዛ። ፈለማ መን ከም ዝመሃዛ ብርግጽ እንተዘይተፈለጠ እኳ፡ እቲ ዝመሃዛ ሰብ ግን ኣብ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ቀንዲ ሓሳባት ሃይማኖታዊ ስነጥበባት ተመርኲሱ እዩ ምሂዝዋ። ስሉስ ኩርናዕ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምልክት ስላሴ፡ ማለት ኣብ፣ ወልድን መንፈስ ቅዱስን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ርእሱ ስሉስ ኩርናዕ ኣኽሊል ገይሩ ይስኣል ነይሩ። እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ምልክት ዝወጽእ ጩራታት ብርሃን’ውን ​​ኣብ ክርስትያናዊ ስእሊታት ዝነበረን ናይ ኣምላኽ ብርሃን ምልክት ተገይሩ ስሕሰብን እዩ። ግን መበገሲ ናይዛ ካብቲ ኣካል ዝተፈልየት ዓይኒ እንታይ እዩ? ቅድሚ ሕጂ ኣምላኽ ብብዙሕ ምስጢራዊ መገድታት ተሳኢሉ እዩ። ንኣብነት ኣምላኽ ካብ ደበና ብትወጽእ ሓንቲ ኢድ ተወኪሉ ዘርእዩ ስዕልታት ኣለዉ። ብሓንቲ ዓይኒ ዝተወከለሉ ስዕሊ ግን የለን። ብተነጽሎ ዝተወከለት ዓይኒ ናይ ገዛእ ርእሳ ባህርያዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጽልዋ ኣለዋ። ከምዚ ዓይነት ዓይኒ፡ ስልጣን ከምኡውን ነቲ ዝርእያ ሰብ ዝዕዘብ ረቂቕ ሓላዋይ ከምዘሎን ተመልክት እያ ምባል ፍትሓዊ’ዩ። እዚ ጽልዋ’ዚ ኣብ ተፈጥሮ ከይተረፈ ክንርእዮ ንኽእል ኢና፣ ገለ እንስሳታት ኣብ ቆርበቶም ንሃደንቲ ዘፈራርሕሉ ‘ነጥቢ ዓይኒ’ ኣማዕቢሎም እዮም። መበገሲ እታ ዝተነጸለት ዓይኒ ግን እቶም ከም ሓደ ዓብላሊ ጻሳብ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ዝጥቀሙላ ዝነብሩ ጥንታውያን ግብጻውያን እዮም። ንኣብነት ምውታን ኣብ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወቶም ንኽርእዩ ንምሕጋዝ ኣብቲ ሳንዱቕ ሬሳ ክልተ ዓይኒ ይስእሉ ነይሮም። ግብጻውንያን ካብ ካብዝጥቀምሎም ኩሎም ምልክታት ግን እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ 'ዚ ኣይ ኦቭ ሆረስ’ (the Eye of Horus) እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ዝርአ ዓብላሊ ሓሳብ፡ ካብ ዓይኒ ወዲ ሰብን ሽላን ዝተዳቐለ ኮይኑ ናይቲ ሽላ ሸፋሽፍቲን ምልክት ምዕጉርቲን የጠቓልል። ብመሰረት ጽውጽዋያት ጥንታውያን ግብጻውያን፡ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ሽላ ወይ ርእሲ ሽላ ከም ዘለዎ ተገይሩ ዝሰአል ኣምላኽ-ንጉስ ሆረስ፡ ሴት ምስ ዝበሃል ኣኮኡ ኣብ ዝተገብረ ውግእ ኣዒንቱ ተጎዲኡ ነይሩ። ደሓር ቶት ዝበሃል ኣምላኽ ወርሒ ሓጊዝዎ ኣዒንቱ ሓውዩ። ስለዚ እቲ ዓይኒ ሆረስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ጁባኦም ዝሕዝዎ ንእሽቶ መከላኸሊ ምልክት ኮይኑ። እዚን ካልኦት ናይ ግብጻውያን ዝተነጸሉ ኣዒንቲ ደቂ ሰባትን ስእላዊ ጥንታዊ ጽሑፋትን (hieroglyphs) ካብ መበል 14 ክሳብ መበል 17 ዘመን ኣብ ኣውሮጳዊ ስነ-ስእሊ ጽልዋ ኣሕዲሮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ሊቃውንትን ስነ ጥበባውያንን ኣብ ግብጻዊ ጽሑፋት ተመሲጦ ነይሩዎም፤ እቲ እንኮ ጸገም ግን ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን። ፈተነታት ትርጉማት ድማ ብዘይቅኑዕነት ዝተዓብለለ’ዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ስነጥበባት፡ ኣብቲ ኣብ 1499 ዝተጸሓፈ ‘The Dream of Poliphilo’ - ዘ ድሪም ኦቭ ፖሊፊሎ ኣብ ዝብል ፍቕራዊ ዛንታ፡ እታ ግብጻዊ ንጽል ዓይኒ ምልክት ‘ኣምላኽ’ ዝብል ትርጉም ተዋሂብዋ ይርከብ። እዚ ድማ መበቆላዊ ኣጠቓቕማ ስእላዊ ጥንታዊ ጽሑፋት (hieroglyphs) ብቕኑዕ ካብ ዘይምርዳእ ዝነቐለ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ስእላዊ ጥንታዊ ጽሑፋት ብቐንዱ ድምጻዊ ምልክታት ዘለዎም ጽሑፋዊ ቋንቋ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። ኣብ 1400ታትን 1500ታትን ግን ኣዝዩ ዝያዳ ምሥጢራዊ ትርጉም ከም ዘለዎም እዩ ዝእመን ነይሩ። ከም እንስሳታት፣ ኣዕዋፍን ረቒቕ ቅርጽታትን ዝኣመሰሉ ኣብዚኦም ጽሑፋት ዝርከቡ ምልክታት ኮነ ኢሎም ምስጢራዊ ክኾኑ ከምዝተገብሩ ይሕሰብ ስለዝነበረ ነፍሲ ወከፎም ከም ኣካል ስርዓተቋንቋ ​​ዘይኮነስ ከም ብምንቕቓሕ ተዓዛቢ ሚስጥራዊ ትርጉም ዝፈጥሩ ከም ዝኾኑ ይሕሰብ ነይሮም። ስለዚ ድማ፡ ብዙሕ ትርጉማት ዝሓዙ ሕንቅልሕንቅሊተያት እዮም ዝብል እምነት ነይሩ እዩ። እዚ እምነት እዚ ኣብ ስነ ጥበብ ኣውሮጳ ዓቢ ጽልዋ ኣሕዲሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ከም እዚ ዓይኒ ዝኣመሰለ ቀንዲ ሓሳባት ሃይማኖታዊ ስነጥበባት ኮነ ኢሉ ስውር ተገይሩ እዩ። ዳርጋ ብዕላማ ዝተሃንጸ ዳግማይ ክትርጎም፡ ምናልባት’ውን ብጌጋ ክትርጎም’ውን ዝኽእል ምልክት’ዩ። እዚ ድማ ብሓቂ ኣብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ፍረ ረኺቡ። ኣብ ምልክትነት እዛ ዓይኒ እናወሰኸ ዝኸደድ ዘሎ ብዙሕነት ዘርእዩ ሰለስተ ወሰንቲ ኣብነታት ኣለዉ። ኣብ ድሕሪ ሰውራ ዝነበረት ፈረንሳ፡ ዣን-ጃክ-ፍራንሱዋ ለ ባርቢየር ኣብ 1789 ኣዋጅ መሰላት ሰብን ዜጋታትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ጽሑፍ ናይቲ ሱር በተኻዊ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ዓይኒ ፕሮቪደንስ ዝሓዘ ነይሩ። እዚ ድማ ነቲ ሓድሽ ማዕርነታዊ ሃገር ዝከታተል መሳርሒ ኣቦኣዊ ምኽንያት ኮይኑ። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ 1794 ጀረሚ ቤንታም፡ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሸላ ቀጻሊ ምክትታል ንምፍቃድ ዝዓለመ ሰውራዊ ሓድሽ ቤት ማእሰርቲ ዝኸውን ኣርማ ክነድፎ ኣርኪተክተር ዊሊ ረቨሊ ትእዛዝ ሂብዎ። እቲ ዲዛይን ብጐሊሑ ዝረአ ዓይኒ ፕሮቪደንስ ዘጠቓለለ ነይሩ። ሕጂ ብ‘ምሕረት’፡ ‘ፍትሒ’ን ‘ንቕሓት’ን ዝብሉ ቃላት ተኸቢቡ፡ ምልክት ናይቲ ዕረፍቲ ዘይገብር ምዕዛብ ቅኑዕነት ፍርዲ ኮይኑ'ሎ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ድማ፡ ኣብ 1782 ‘Great Seal’ ብዝብል ዝፍለጥ ኣርማ ኣሜሪካ ተቐልቂሉ። ቶማስ ጀፈርሰን፣ ቤንጃሚን ፍራንክሊንን ጆን ኣዳምስን ነቲ ንድፊ ዝኸውን ሓሳባት ኣቕሪቦም ነይሮም። እንተኾነ ግን ጸሓፊ ኮንቲነንታል ኮንግረስ ዝኾነ ቻርለስ ቶምሰን ምስ ዊልያም ባርተን ዝበሃል መንእሰይ ጠበቓን ስነጥበባዊን ኮይኑ፡ እቲ ኣርማ ነቲ ፒራሚድን ዓይኒ ፕሮቪደንስን ካልኦት ምልክታትን ዝሓወሰ ንክኸውን ገይሩ። እቲ ዘይተዛዘመ ፒራሚድ ን“ሓይልን ንውሓት ግዜን” ንምምልካት ዝዓለመ ኮይኑ፡ 13 ደረጃታት ነተን 13 መበቆላውያን ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝውክላ እየን። እታ ዓይኒ ድማ፡ ኣምላኽ ነቲ ተገዳስነት ገይሩ ከምዝሕልዎ ዝሕብር ልሙድ ምልክት እዩ። ኣብዚ ምርጫ ምልክታት እዚ ምስ ፍሪሜሶን ዝተኣሳሰር ዝኾነ ይኹን ነገር ኣይነበረን። ዝርዝር ናይ መጀመርታ ዓመታት ናይቲ ኣብ ባቫርያ ብ1776 ዝተመስረተን ብ1787 ዝተበታተነን መበቆላዊ ጉጅለ ብተዛማዲ ድሩት እዩ። ስእላዊ ምልክታት ኣብቲ መበቆላዊ ጉጅለ ክሳብ ክንደይ ኣገደስቲ ምንባሮም’ውን ኣይንፈልጥን ኢና። ሓቂ እዩ ኢሉሚናቲ ካብቲ ኣብቲ እዋን እቲ ንዓይኒ ፕሮቪደንስ ከም ምልክት ኣምላኽ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ፍሪሜሶንሪ ተበግሶ ወሲዱ ነይሩ እዩ። ይኹን’ምበር፡ ሜሶናውያን ምልክት ዓይኒ ፕሮቪደንስ እንተወሓደ ክሳብ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ብሰፊሑ ኣይጥቀሙሉን ነይሮም። ነቶም ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባውያን ዘሕዝን ግን፡ ኣብቲ ኣብ ዶላር ዘሎ ዓይኒ ፕሮቪደንስ ብዛዕባ ስልጣን ምስጢራዊ ሰባት ካብ ዝገልጾ፡ ብዛዕባ መወዳእታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስነ-ጽባቐ ዝገልጾ ኣዝዩ ይዛይድ። ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ስልጡን እዋን ድማ፡ ማዶና፣ ጄይ-ዚን ካንያ ዌስትን ኩሎም ዓይኒ ፕሮቪደንስ ሓዊሱ ናይ ኢሉሚናቲ ስእላዊ ምልክታት ተጠቒሞም ተባሂሎም ተኸሲሶም እዮም። ግን ምስ ኢሉሚናቲ ዝኾነ ምትእስሳር ከምዘለዎም ዘርእይ ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፎም ዘመሳስሎም ነገር፡ ከምቲ ኣብ ዜማ መስተውዐሊ ዝኾንዎ ኣብቲ ምልክት እውን ምናልባት’ውን ከምመዘራረቢ ንክኾነሎም ስለዝሓሰቡ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ንሕና’ውን ከም እቶም ፍሪሜሶን፡ ስነ-ጥበባውያን ህዳሴ ወይ ከም ማዶናን ጄይ-ዚን ተደጋጋሚ ኣጠቓቕማ ዓይኒ ፕሮቪደንስ ክንትግብር ንኽእል ኢና። እዚ ድማ መርትዖ ዝተዋደደ ውዲት ዘይኮነስ ነባሪ ብሩህነት ወይ ድምቀት እቲ ንድፊ ኣርማ እዩ ዘመልክት። ኤርትራዊ ተዋስኣይ ሰዓረ ፍጹም ንኣህጉራዊ ሽልማት ፊልም ተሓጽዩ ኤርትራዊ ተዋስኣይ ሰዓረ ፍጹም፡ ‘ሰዓረ’ ኣብ ዘርእስታ ሓጻር ፊልም ብዝተላበሶ ገጸባህሪ በቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝመደበሩ ንኣፍሪቃውያን ተዋሳእቲ ዝሽልም ኣህጉራዊ ሽልማት ሰቱጌ ኣብ ሰለስተ ዓውድታት ንሽልማት ተሓጽዩ። ተዋስኣይ ሰዓረ፡ ኣብ ዝበለጸ ተዋስኣይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ወርቃዊ ሽልማት ንዝበለጸ ተዋስኣይ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ብህዝቢ ዝተሓረየ ዝበለጸ ተዋስኣይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝብል ዓውድታት’ዩ ንሽልማት ተሓጽዩ ዘሎ። ወዲ 28 ዓመት ሰዓረ ፍጽም፡ ምስ ጋዜጣ ኤሪትርያን ፕሮፋይል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ካብ ህጻንነቱ’ኳ ኣብ ስነጥበብ እንተኣተወ፡ ካብ ካብ 2015 ጀሚሩ ግን ብሞያዊ መገዲ ኣብ ፊልም ክዋሳእ ከምዝጀመረ ገሊጹ። ኣባል 26 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዀነ ሰዓረ፡ መጀመርታ ዝተዋስኣላ ፊልም ብዘርእሰናይ ዓንደብርሃን ዝተሰርሐት ፊልም "ፍቕሪ ሎሚ ቕነ" እትብል ኰይና፣ ብኡ ብዝጀመሮ ሞያ ክሳብ ሕጂ ኣብ 23 ዝተፈላለያ ፊልምታት ከምዝተዋስአ’ዩ ዝገልጽ። ኣብታ ብደበሳይ ወልዱ ዝተደርሰት ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ክትርአ ዝጸንሐት ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ፡ ክእለቱ ከም ዘንጸባረቐ ይግለጽ። እታ ሕጂ ንሽልማት ተሓጽዩላ ዘሎ ሓጻር ፊልም ‘ሰዓረ’፡ ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት ፊልም ኰይና ብዮሃንስ ኣብርሃ ዝተደርሰትን ዝተኣልየትን እያ፤ ሕመረት ዛንታኣ ኸኣ፡ ነቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ኵናት ምርኵስ ዝገበረ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ሰቱጌ ኣዋርድ ካብ ዝጅመር ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ክሽልመ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንሻውዓይ ግዜኡ ዝካየድ ዘሎ እዩ። መስርሕ ምዕዳል ሽልማት ካብ 9 ክሳብ 12 ሕዳር ዝካየድ ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ፊልም 42 ተዋሳእቲ ተሓጽዮም ኣለዉ። ፕረዚደንት ሽልማት ሰቱጌ ከቪን ሞን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ሽልማት፡ ቀንዲ ዕላማ ሰቱጌ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ብኣፍሪቃውያን ዝፈሪ ብሉጽ ፊልምታት ኣፍልጦን ሽልማትን ምሃብ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ 2021 ኤርትራዊት ተዋሳኢት ዊንታ ገብረእግዝኣብሄር በቲ ኣብ ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ ዝተላበሰቶ ገጸ ባህሪ ብጽላት 'በስት ሆፕ ኣፍሪካን ቲቪ ሾው' ንሽልማት ተሓጸያ ምንባራ ዝዝከር’ዩ። ሓበሻውን ጀማይካውን መበቈላ ብስእሊ እትገልጽ ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ ኣብ መቐለ ተወሊዱ ካብ ዝዓበየ ኣቦን ኣፍሪቃውን ህንዳውን መበቈል ካብ ዘለዋ ጀማይካዊት ኣደን ኣብ ጥቓ ቺካጎ ኣብ እትርከብ ንእይሽተይ ከተማ፡ ሚልዋኪ፡ ተወሊዳ ዓብያ። ኣብ ጥበባት ቅብኣ፡ ስነ ግጥሚ፡ ካርቱን ፊልም (ኣኒሜሽን)፡ ጥበብ ኣሻንጉሊትን (ፐፒትሪ) ወዘተ እትነጥፍ ኰይና ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት እትለብስ ዘላ ኵለመዳያዊ ዓለምለኻዊት ስነ ጥበባዊት እያ፤ ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ። ጓል ሸውዓተ ዓመት ኰይና ንመምህራ "ህይወተይ ምሉእ ኣብ ስነ ጥበብ ክነጥፍን ዓለም ክዘውርን እደሊ" ከምዝበለት እትዝክር እዛ ስነ ጥበባዊት፡ ካብ ቍልዕነታ ንትምኒታ ብቝም ነገር ከምዝሓዘቶ ትገልጽ። ኣብ ጥንታዊ፡ ባህላዊ፡ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ውርሻታት ተመርኲሶም ብዝተሰርሑ ስርሓታ፡ ኣብ ከም ቬግን ኣፍሮፓንክን ዝበሉ ፍሉጣት ሕትመታት ክትቀርብ በቒዓ። "ኣብ ኵሉ ነገር ጽባቐን ቃንዛን ኣሎ" ዝብል ፍልስፍና ህይወት ዘለዋ ገብርኤል፡ ኣብ ለንደን፡ ኒውዮርክ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ዛንዚባር፡ ህንድን ሽወደንን ስርሓታ ንምርኢት ኣቕሪባ እያ። ካብ ኣኽሱማዊ ስልጣነ ክሳብ ኲናት ትግራይ፡ ካብ ኣፍሪቃዊ ያታታት ክሳብ ንግዲ ባርያ ኣብ ጥበባዊ ስርሓታ ዝቃልሑ ዛንታታት ኣለዉ። ዛጊድ ዓለምለኻዊ ሽልማት ዝረኸቡ ስርሓውቲ ኣበርኪታ፡ ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ስልጠናታትን እውን ረኺባ እያ። ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ቐጠር፡ ደውሓ፡ ኣብ ዝርከብ ቨርጂንያ ኮመንወልዝ ዩኒቨርሲቲ’ (ቪሲዩ) ብ ኣርትን ዲዛይንን ናይ ማስተርስ ዲግሪ ትምህርታ ትከታተልን፡ ኣብታ ብኲናት ኣብ ቅርስታታ ከቢድ ዕንወት ወሪዱዋ ዘሎ ትግራይ ማእከል ገይራ፡ ኣብ ምዕቃብ ባህላዊ ውርሻታት መጽናዕቲ ተካይድን ኣላ። ዕጫ ክፍሎምን እለሻ እንጌራን ኣብ ርሑቕ ሃገር ካብ ዘራኸቦም ክልተ ስደተኛታት ዝተወለደት ገብርኤል፡ ኣተዓባብያኣ ናብ ባህልን ማሕበረሰብን ሓበሻ ይዅን ጀማይካ ዝቐረበ ኣይነበረን። እናዓበየት ምስመጸት ባህልን መንነትን መበቆላ ንምፍላጥ ዝነበራ ክቱር ባህጊ ምርኩስ ገይራ፡ ብዘካየደቶ መጽናዕትን ጕዕዞን እያ ተወሃሂዳቶ። "ካብ ኣቦይን ኣደይን ወጻኢ ብዙሕ ዘመድ ኣዝማድ ኣብ ዘለዎ ኣይኰንኩን ዓብየ። ማሕበረሰብ ጀማይካ ወይ ተጋሩ ኣብ ዘይብሉ ክልተ ስደተኛታት እዮም ኣዕብዮምኒ። ስለዚ ብባህሊ ቅሩብ ዝተገለልኩ እየ ነይረ። ኣደይ ሓበሻ ስለዘይኰነት ድማ ኣብ ገዛና ብእግሊዝኛ ኢና እንዛረብ ኔርና። "ስለዚ ዝነበረኒ ምስ ባህለይ ናይ ምትእስሳር ፍቕሪ፡ ውጽኢት ውልቃዊ ጕዕዞ እዩ ነይሩ። እናዓበኹ ምስከድኩ ጥንታዊ ስነ ጥበባትና፡ ባህልና ከጽንዕን ናብ ኢትዮጵያ ክመላለሰን ጀሚረ። ናብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን በይነይ እየ ከይደ፤ ምኽንያቱ መበቆለይ ናይ ምፍላጥ ዓቢይ ድልየት ነይሩኒ" ትብል። ስርሓት ገብርኤል፡ ንጥንታዊ ጥበብን ታሪኽን ብዘለዋ ፍቕሪ ዝተቓነዩ እዮም። ብፍላይ ኣብ ስደት ተወሊዶም ንዝበዓዩ ሰባት እዚታት እያ ብስነ ጥበብ እተካፍሎም። "ጥንታዊ ስነ ጥበብ ኣዝዩ እዩ ዝጸልወኒ፡ ናይ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ምሉእ ዓለም። ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ይሰርሑ ከምዝነበሩ፡ ምስ ተፈጥሮን መንፈሳውነትን ዝነበሮም ምትእስሳር፡ ብስነ ጥበብ ኣቢሎም ከመይ ዛንታታት ይነግሩ ከምዝነበሩን ምጽናዕ ኣዝየ እየ ዝፈቱ" ትብል። እዚ ድልየታ ድማ ንባህልን ታሪኽን መበቆላ ዝያዳ ክትሰርሓሉ ከምዘበገሳ ትገልጽ። "ቅዲ ስርሓተይ ብርግጽ ምስ መበቆለይ ዝተተሓሓዘ እዩ። ኣደይ ጀማይካዊት እያ፤ ናታ ባህላዊ ድሕረ ባይታ ካብ ጸሊም ኣፍሪቃውን ህንዳውን እዩ። ካብ ህንዲ ናብ ጀማይካ ዝመጹ ብዙሓት ኣዝማድ ኣለዉኒ። ጀማይካ ድማ ደሴት ብዝሓ ባህሊ እያ። ህንዳውያን፡ ቻይናውያን ኣፍሪቃውያንን ኣለዉ። እዞም ኣህዛብ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጀማይካ ነቢሮም እዮም። ስለዚ ታሪኾም ይጸልወኒ እዩ። ታሪኽ ጀማይካ ዝገልጹ ብዙሓት ስርሓት ሰሪሐ እየ" ትብል። ኣሰር ከም ሓወልቲ ኣኽሱምን መስጊድ ነጋሽን ዝኣመሰሉ ታሪኻዊ ቅርስታት ኣብ ስእልታታን ፊልምታታን፣ ከም ቡንን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ሃብትታትን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ግጥምታታ ተንጸባርቘም። "ብመበቆለይ ኣዝየ እየ ዝኾርዕ፤ ናይዞም ክልተ ባህልታት ሓንፈጽ ምዃነይ ድማ ኣዝየ እየ ዘመስግን። ብስርሓተይ ኣቢለ ንባህለይ፡ ህዝበይን፡ ኣበው እመዋተይን ክብሪ ምሃብ ድማ ንዓይ ኣገዳሲ እዩ" ክትብል ትገልጽ። ባህላዊ ትውፊታት ዝበቘለትሎም ማሕበረሰባት ሓበሻን ጀማይካን ብስነ ጥበብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ህይወታ ገይራ ክትነብሮም ከምእትፍትን ገብርኤል ትዛረብ። "ኣብ ትርፊ ግዜይ ስርሓት ካይላ እሰርሕ፤ ወሓለ ከሻኒት እውን እየ። ባህላዊ ምግብታት ጀማይካን ሓበሻን እሰርሕ። እንጀራ ምስንካት፡ ጸብሒ ምስራሕን እኽእል እየ። ብፍላይ ሽሮ ኣዝየ'የ ዝፈቱ። " ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ፡ ባህጋ፡ ስምዒታን ተጓንፎታታን ብግጥሚ ንምግላጽ ዝተዓደለት እያ። ዋሕዚ ቃላታ ናብ ቅብኣ ትቕይሮም፤ ቅብኣታታ እውን ክንቀሳቐሱ ብምግባር ዛንታ ክነግሩ ናብ ዝኽእሉ ካርቱን ፊልምታት (ኣኒሜሽን) ተማዕብሎም። ሞያ ፊልም ደንጕያ ዝጀመረቶ'ኳ እንተዀነ፡ ዕዉት ስራሕ ንምስራሕ ግን በቒዓ እያ። "ፊልም ንድፍን ቅብኣን ክገብርዎ ካብ ዝኽእሉ ንላዕሊ ዛንታ እተዘንትወሉ ዝተፈለየ መንገዲ ምዃኑ ተረዲአ። ክትመሃረሉ እትኽእል ዘደንቕ መሳለጢ ኰይኑ እውን ረኺበዮ።" ኣብ እዋን እቲ ብኣትላንቲክ ዝግበር ዝነበረን ንሚልዮናት ኣፍሪቃውያን ኣደዳ ስቓይን ሞትን ዝገበረን ንግዲ ባርያ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝውሰዱሉ ካብ ባሕሪ ይድርበዩ ብዛዕባ ዝነበሩ፡ ዘዘንቱ ፈላማይ ፊልማ ‘ዘ ወተር ዊል ኬሪ ኣዝ ሆም’ ኣብ ብላክ ስታር ፊልም ፈስቲቫልን ካልኦትን ብዙሕ ሽልማትን ክብርን ረኺባትሉ እያ። "ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ብዙሕ ፈስቲቫላት ፊልም ተራእዩ እዩ። ብዙሕ ሽልማታት እውን ረኺቡ። በቲ ዝረኸቦ ቅቡልነት ሕጕስቲ እየ ነይረ። ኣብዚ እዋን ድማ ‘ፎር ትግራይ’ ዝብል ኣርእቲ ዘለዎ ፊልም ኣብ ብዙሓት ፈስቲቫላት የቕርቦን ብዛዕባኡ ኣብቶም መድረኻት መግለጺ የቕርብን ኣለኹ" ክትብል ትገልጽ። "ስነ ግጥሚ ትርግታ ልቢ እቶም ካልኦት ስሓተይ እመስለኒ" እትብል ገብርኤል፡ ዝተፈላለየ ተውህቦታት'ኳ እንተሃለዋ፡ ስርሓታ ቀዲሞም ብስነ ግጥሚ ከምዝውለዱ ትኣምን። "እቶም ዝተፈላለዩ ጥበባት፡ ስምዒታተይ ዝገልጸሎም ዝተተሓሓዙ መንገዲታት'ኳ እንተዀኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ብግጥሚ እየ ስእሊ ዝጅምር፤ ብእኡ እየ ፊልም ዝጅምር። ግጥሚ ምጽሓፍ እዩ ቀዲሙ ዝመጸለይ፡ እቲ ዝጸሓፍክዎ ድማ ብቅብኣ ወይ ኣኒሜሽን እገልጾ።" ወላዲ ገብርኤል፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ እዋን ደርጊ ዝነበረ ሓድሕድ ኲናት እዩ ዓዱ ገዲፉ፡ ብበረኻን ኣጻምእን ሃጽ ኢሉ ተሰዲዱ። ብዛዕባ እታ ዝዓበየላ ዓይኒ ትግራይ መቐለ፡ ቍልዕነቱ፡ ኣደኡን ሓዉን ኵሉሻብ የዘንትወላ ነይሩ። "ቈልዓ እንከለኹ፡ ኣብ ካርታ፡ ኢትዮጵያ ኣበይ ኣላ? መቐለ ኣበይ ኣላ ኢሉ ይሓተኒ ነይሩ። ኣነ ድማ ብኢደይ የመልክቶ" ክትብል እትዝክር ገብርኤል፡ ነታ ምስ ጐበዘት ከይዳ ዝረኣየታ መቐለ ፍሉይ ፍቕሪ ኣለዋ። መቐለን ትግራይን ኣብ ተለላታት ግጥሚ፡ ገጻት ስእልን ፊልምን ደጋጊማ ትገልጸን። ኣብ ድህረ-ገጻ ኣብ ዝጠቀዓቶ ብኵናት ዝፍተን ሕልማ ዝገልጽ ‘ዎምስ’ (Warmth’ ዝብል ግጥሚ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ርሻን ሃኒጻ ክትነብር ትምነ። "ካብ መዓሙቕ ልበይ እጽሊ ኣብቲ ናባኺ ዝመጸሉ ደቀይ ክርእዮም እናዕለሉ በእዳወይ ዝተነድፈ ገፊሕ ውቁብ ርሻን ተኺለ ኣብ ርስቲ ወለደይ ኣብ ማእከል መቐለ" ዝብል ውርሲ ትርጕም ዘለዎም ተለላታት ኣለዉ። እዚ ልባዊ ትምኒታ ምዃኑ እያ ትገልጽ። "ኣብ መቐለ ገዛ ክሰርሕ፡ ደቀይ ኣብኡ ክዓብዩ እደሊ። ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቤተ መጻሕፍቲ፡ ሙዝየማትን ካልእን ኣብ ምህናጽ ክሕግዝ እምነ። እቲ ኲናት ደው ምስበለ ከምኡ ኢና ክንገብር ዘለና።" ውሑዳት ስደተኛታት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ዝዓበየት ገብርኤል፡ ኣብ እዋን ቁልዕነታ ብምኽንያት ካብ ስደተኛ ቤተሰብ ምምጻኣ መዛኑኣ ይስሕቍዋን ይድህሉዋ ከምዝነበሩ ትዝክር። "ኣብ ገሊኡ እዋን ኣብ ቤት ትምህርተይ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዀንኩ ብሕታዊት ተመሃሪት ነይረ። ኣብ ገሊኡ ድማ ስደተኛ ስድራቤት ዘለዋ እንኮ ተመሃሪት ነይረ፤ ይላገጹለይን ካብ ካልእ ከምዝመጻኹ ክስመዓንን ይገብሩኒ ነይሮም። ኣዒንተይ ፍሩያት ብምዃኖም ከኣ ይስቍኒ ነይሮም" ትብል። ወላዲኣ ብኣንጻሩ ፍሩያት ኣዒንቲ፡ ምልክት ጽባቐ እምበር ዝሰሓቐሎም ከምዘይኰኑ የረደኣ ነይሩ። እናዓበየት ምስ መጸት ንስእሊ ከም መጸግዒኣ፡ ፍሩያት ኣዒንታ ድማ ከም ሕላገት ስርሓታ ክትጥቀመሎም ጀሚራ። "ኣቦይ ብዙሓት ሓበሻ ፍሩይ ዓይኒ ከምዘለዎምን፡ ክዀርዕ ከምዝግባእን ይነግረኒ ነይሩ። ንዕኡ እዩ ዝመስለኒ ኵሎም ዝስእሎም ሰባት ገዘፍቲ ኣዒንቲ ዘለዎም። ካብ ባህሊ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ናይ ባዕለይ ልምዲ ከም ሓይሊ ወሲደዮን መለለዪ ስርሓተይን ክኸውን ገይረዮ።" ምስ ሕብሪ ቆርበታ ተተሓሒዙ ኣተዓባብያኣ ቀሊል ከምዘይነበረ'ውን ትዝክር። "ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኣሜሪካ ምዕባይ፡ ከምቲ ኣብ ሚድያ ዝሰኣል ፍጹም ቦታ ኣይኮነን፤ ብፍላይ ጸሊም እንተዄንካ፡ እቲ ዝመጻኻሉ ሃገር ብዘየገድስ ህይወት ከቢድ እዩ።" ኰይኑ ግን መምህራን ኣዝዮም ንፉዓትን ሓገዝታን ከምዝነበሩ ትገልጽ። "ብዙሕ ግዜ ንምንባር ከበድቲ ዝዀኑ ኵነታት ነይሮም፤ ናይ ጥበብ ስርሓተይ ግን መዕቆብየይ ነይሮም። ስነ ጥበብ እዩ ሕልመይ ክብርትዕ ገይርዎ። ሽዑ እየ ድማ ነቲ ብኣካል ዝነበርኩዎ ዘይኮነስ ነቲ ክዀኖ ዝደልዮን ብኸመይ ከምዝዀኖን ዝገልጹ ምስልታት ምስኣል ጀሚረ።" ገብርኤል ተስፋየ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ስርሓታ ሳዕቤናት እቲ ጐንጺ ናብ ምንጽብራቕ ከምዝተቐየሩ እያ እትገልጽ፡፡ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጠር ዘሎ ዓለምለኻዊ ግንዛበ ንምፍጣር ስራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ተጋሩ ሕውየትን ምልዕዓልን ንምፍጣር እውን እዩ።" ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ድማ ምስ መሓዛኣ ኰይና ‘ትግራይ ኣርት ኮሌክቲቭ’ ዝተባህለ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ ስነ ጥበበኛታት ዝሓቘፈ ማሕበር መስሪተን። "ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እንነብር ተውህቦ ዘለና ተጋሩ እንራኸበሉን ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ሓቢርና እንሰርሓሉን ባይታ ንምፍጣር ኢና መስሪትናዮ" እትብል ገብርኤል፡ ዛጊድ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ሓባራዊ ምርኢት ስእሊ ብምድላው ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ገንዘብ ኣብ ምእትእኽኻብን ብሞያኦም ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵነታት ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢራ። ብኣርትን ዲዛይንን ናይ ካልኣይ ዲግሪ ትምህርታ ኣብ ምክትታል እትርከብ ኵለ መዳያዊ ስነ ጥበባዊት ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ፡ በቲ ዛጊድ ኣብ ክሊ ዕድመ ዕስራታት ኰይና ዝሰርሓቶ ስርሓት ዕግብቲ ኣይኰነትን። "ሓቂ ዘረባ ዛጊድ ብዙሕ ስራሕ ዝሰራሕኩ መሲሉ ኣይስመዓንን። ገና ብዙሕ ስራሕ እዩ ዝተርፈኒ። ክንደይ ዝኣክል ክሰርሕን ክንደይ ርሕቐት ክጓዓዝን ከምዘድልይ ስለዝፈልጥ፡ ገና ኣብ ጀማሮ እየ ዘለኹ፡፡’’ ትምህርታ ምስ ዛዘመት በቲ እትፈትዎ ሞያ መምህር ክትከውንን ብኡ ኣቢላ ናይ ሳልሳይ ዲግሪ ትምህርታ ክትቅጽልን ድልየት ኣለዋ። ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተጽሓፈ ፈላማይ ናይ ህጻናት መጽሓፋ ‘ፍረወይኒስ ሲድ’ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዕዳጋ ዝወዓለ ኰይኑ፡ ኣታዊኡ ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ህጻውንቲ ስደተኛታት ከምዝውዕል ተዛሪባ። ዛጊድ ካብ ስነ ጥበብ ወጻእ ኣብ ህይወታ ሰሪሓ ከምዘይትፈልጥ እትገልጽ ኣርቲስት ገብርኤል ፍረወይኒ ተስፋየ፡ እቲ እትፈትዎ ሞያ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ፈተናታት ዝረሓቐ ከምዘይኰነ ትገልጽ። ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ እትልጥፎም ገለ ስእልታት ጸቡቓት ዘይኰኑ ርእይቶታት ከምዝቐርቡላ ትዛረብ። "ንኣብነት ኣካላት ሰብ ዘርእዮ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እንተለጢፈ፡ ሰባት ብቐሊሉ ክወቕሱንን ከጥቅዑንን ይቐሎም፤ ምናልባት ወዲ ተባዕታይ እንተዝኸውን እቲ ሰኣላይ ክንዳኡ ዝዀኑ ኣይመስለንን። ኣብ ኦንላይን ብዙሕ ወቐሳን ጽቡቓት ዘይኰኑ ርእይቶታትን ኣጋጢሞምኒ ይፈልጡ እዮም።" ገለ ሰባት ስነ ጥበብ ከም ጽቡቕ ናይ ስራሕ ዓውዲ ከምዘይርእይዎ እውን ትገልጽ። "ኣብ ህይወተይ ክሳብ ሎሚ በዚ ሞያ ርእሰይ ክኢለ እየ ዝነብር፤ በቶም ሕጂ ዝሰርሖም ዝለኹን ንድሕሪ ሕጂ ዝሰርሖምን ስርሓት እውን ዕዉትቲ ከምዝኸውን ጥርጥር የብለይን" ትብል። ስነ ጥበባውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ናይ ሞያ መሳርሕተን ሓሓሊፉ ዘጋጥመን ፈተናታት እውን ካልእ ዕንቅፋት ከምዝኾነ ትገልጽ። በዓልቲ ቤቱ ንዊል ስሚዝ፡ ጄዳ ፒንኬት ኣብ ዛዕባ ጽፍዒት ኦስካር ተዛሪባ ጄዳ ፒንኬት ስሚዝ በዓል ቤታ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንኮሜዲያን ክሪስ ሮክ ብጽፍዒት ድሕሪ ምህራሙ ስምዒታ ገሊጻ። ተዋሳኢት ጄዳ ፒንኬት፡ ኣብ ኢንስተግራም "ሕጂ ናይ ሕውየት ግዜ'ዩ" ክትብል ጽሒፋ። ብሰንበት በዓል ቤታ ዊል ስሚዝ ኣብ ዓብዪ መድረክ ሽልማት ኦስካር ንብዙሓት ዘዘራረበ ተግባር ከም ዝፈጸመ ይዝከር። ኮሜዲያን ክሪስ ሮክ ንጄዳ ፒንኬት ዝትንክፍ ዘረባ ከስምዕ እንከሎ፡ ስሚዝ ካብ መንበሩ ተሲኡ ናብቲ መድረኽ ብምኻድ ብጽፍዒት ሃሪሙዎ ነይሩ። ንሱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ "ጎንጺ መርዛምን ኣዕናውን'ዩ" ብምባል ነቲ ኣብ መድረኽ ብጽፍዒት ንዝሃረሞ ክሪስ ሮክ ይቕሬታ ሓቲቱ። ኣብቲ ብሰንበት ለይቲ ዝተኻየደ ሽልማት ኦስካር፡ ዊል ስሚዝ ብብሉጽ ተዋሳኢ ሽልማት ቅድሚ ምውሳዱ'ዩ እዚ ክስተት ኣጋጢሙ። ክሪስ ሮክ፡ ጸጉራ ንዝተላጸየት ጄዳ ኣልዒሉ ክዋዛ እኳ እንተፈተነ፡ ንሳ ጸጉሪ ዘርግፍ ሕማም ከም ዘለዋ ዝፈልጥ ስሚዝ ግን ብቐልዲ ክሓልፎ ኣይተራእየን። ጄጃ፡ ዋላ'ውን ብዛዕባ ተግባር በዓል ቤታ ይኹን ምውዛይ ሮክ ዝሃበቶ ርኢይቶ እንተዘይሃለወ፡ "ሕጂ ናይ ሕውየት ግዜ'ዩ ፤ ኣነ'ውን ድልውቲ'የ" ክትብል ግን ኣብ ኢንስተግራም ጽሒፋ። ክሪስ ሮክ'ውን ድሕሪ እቲ ናይ ሽልማት መድረኽ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን። እንተኾነ ብዙሓት ኮሜዲያዊ ስራሓቱ ንምርኣይ መእተዊ ትኬት ዓዲጎም ኣለው። ቲክፒክ ዝተባህለ ሓደ ትኬት ክሪስ ሮክ ዝሸይጥ መርበብ ሓበሬታ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ ብምውድዳር ኣብ ሓደ ለይቲ ዝበዝሐ ቲኬት ከም ዝሸጠ ሓቢሩ። እቲ ኮሜዲያን ሎሚ ኣብ ዝህልዎ መደብ ድማ ዋጋ መእተዊ ቲኬት ካብ 46 ዶላር ናብ 411 ዶላር ሓፍ ከም ዝበለ ተሓቢሩ። ልዕሊ ፍርቂ ነዚ መደብ ዘዳለዎ ቲኬት ድሕሪ እቲ ሰንበት ምሸት ዝነበረ ፍጻመ ከም ዝተሸጠ ድማ ይግለጽ። ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ፊልም ኪንግ ሪቻርድ ብዘርኣዮ ብቕዓት ናይ መጀመርታ ሽልማት ኦስካር ወሲዱ'ዩ። እዚ ፊልም ንታሪኽ ኣቦ ከዋኽብቲ ቴኒስ ሰሪናን ቤነስን ዝዝክር ኮይኑ፡ ብሰኑይ ሪቻርድ ዊልያምስ ባዕሉ ንተግባር ስሚዝ ኮኒኑ። ኣንጎላ፡ ሰላም እትጸልእ ፍትሒ ግን እትደሊ ናይ መድረኽ ገጣሚት ሰላም እትጸልእ ገጣሚት ጆይስ ዛኡ፡ ንርእሳ ሓናኽ እየ እኳ እንተበለት፡ ኣብ መላእ ኣንጎላ ካብ ዝፍለጡ ሰባት ሓንቲ እያ። ስራሕታ ድማ ንብራዚል ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ክትውክል ኣኽኢሎምዋ ኣለው። ፈለማ ኣብ 2020 ኣብ ፌስቡክ ብዝዘርግሐቶ ግጥሚ ኣቓልቦ ብዙሓት ሰባት ረኺባ። ዛኡ፡ 'ስላም ቱንዳቫላ' ዝተባህለ ብናይ ውልቂ ቴሌቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ቃላዊ ውድድር ስራሕታ ተቕርብ ነይራ። እቲ መድረኽ፡ ስራሕቲ ገጠምትን መናእሰይ ኣንጎላ ሓሳቦም ብናጽነት ዝገልጽሉ መሰል ንምትብባዕን ዝዓለመ እዩ። ብፍላይ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ናጽነታት ብከባብያዊ ኣመሓደርቲ ተጎስዮም ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ኣብ ኣንጎላ ዝበጽሕ ዝነበረ ማሕበራውን ፖለቲካውን ጸቕጢታት ንምቅላዕ ስነ ጥበባዊ ስራሕታ ከተቕርብ ከም ዝጀመረት ትዛረብ። ንሳ ብዛዕባ ፖለቲከኛታትን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምዕሩይነትን ኣብ ምእላይ ዝተራእየ ውድቀቶምን ክትነቅፍ ከላ፡ "ብጭርሖታት ኣታሊሎምና እዮም" ትብል። It is unfair That the chapters of a Machiavellian past are perpetuated to this day like 'fine dust' that flows into the indigestion of our stomachs It is unfair That the flag we once raised continues to shed the blood of our current pains and evaporate our dreams ካብ ግጥሚ 2022 Vais Gostar (You will like it) ዝተወስደ ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕሬዝደንት ጆሴ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ብ2017 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብ ስልጣን ምስ ወረደ ዝመጽኡ ለውጥታት እኳ እንተሃለው፡ ሕጂ'ውን ግን ኣብታ ሃገር ድላይካ ምዝራብ ሓደገኛ እዩ። ነዚ'ዩ፡ ገለ እተቕርቦም ግጥምታት ዝርኣዩ ሰባት ሓቦኛ ስጉምቲ'ዩ ዝብሉ። ጓል 25 ዓመት ጆይስ፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ምትብባዕ ክፈጥር'ዩ ብዝብል ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል ሽማ ሓቢኣ ክትጽሕፍን ከተቕርብን ጸኒሓ። 2022 Vais Gostar [ክትፈትዎ ኢኻ/ ክትፈትውዮ ኢኺ] ዝብል ግጥማ ነቲ ኣብዚ ዓመት ኣብ መረጻ ዝወዳደር ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ኤምፒኤልኤ ከም ስግኣት እዩ ዝርአ። ኣብዚ እቲ "ጎዳኢ ምሕደራ" ኢላ እትገልጾ ምምሕዳር እቲ ሰልፊ ትነቅፍ። እዚ ሰልፊ፡ ኣንጎላ ናጽነታ ካብ እትረክብ ካብ 1975 ጀሚሩ ኣብ ስልጣን ዘሎ እዩ። ኣብታ ብነዳዲ ሃፍታም ዝኾነት ሃገር፡ ከም ድኽነትን ሕጽረት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዝበሉ ማሕበራዊ ጉዳያት ብዙሓት ስለ ዝኾኑ፡ እታ ገጣሚት ስርዓት ዶስ ሳንቶስ ትነቅፍ። ግን ክኣ እቶም ጸገማት ኣብ ትሕቲ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽአ ጃኦ ላውሬንሶ'ውን ምህላዎም ትገልጽ። "ንዓይ ንምፍርሕ ኣባላት ስድራይ እናጸውዑ ዘፈራርሑንን ሓቂ ስለ ዝተዛረብኩ ዋጋ ከም ዝኸፍልን ዝዛረቡ ሰባት ነይሮም። ፈሪሐ፤ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ክኣ ካብ ገዛ ከይወጽእ ተነጊሩኒ" ትብል። ኣብታ ሃገር፡ ዋላ'ውን ውሱን ምምሕያሻት ብናጽነት ናይ ምዝራብን ሰላማዊ ኩነታትን እንተሃለወ፡ ብዙሓት ስነ ጥበባውያን ግን ቅድሚ እቲ ክብሉዎ ዝደለዩ ነገር ምባሎምን ሰብ መዚ ምንቃፎምን ዳግመ ግምት [ክልተ ሻብ ይሓስቡ] ይገብሩ። "ሕጂ'ውን ኣብ ምልኪ ኢና ዘለና፤ ሕጊ ብናጽነት ሓሳብና ክትገልጹ ትኽእሉ ኢኹም ይብል፤ እቲ ሓቂ ግን ካልእ እዩ። ብ2017 ሓድሽ ፕሬዝደንት ምስ መጽአ ነገራት ክልወጡ'ዮም ኢልና ነይርና። ግን ኩሉ ፖለቲካዊ ትያትር እዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ። ብጫካ ማዮምቤ ኣብ ዝተኸበበት ከተማ ቻቢንዳ ከም ዝተወለደት እትዛረብ ጆይስ፡ በቲ ጽዑቕ ጫካ ኣብ ዝሓልፍ ሩባ እናሓምበሰት ከም ዝዓበየት ትገልጽ። እዋን ቁልዕነታ "ሰላማውን ሕጉስን" ነይሩ ብምባል ትገልጾ። ኣብ ማእከል ጫካ ምዕባያ ብዛዕባ ዓለም ዘለዋ ኣረኣእያ ቅርጺ ኣትሒዙዎ እዩ ኢላ ትኣምን። ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ምስ መጽአት ግን ኣብ ግጥሚ ዘለዋ ድልየት ክትፈልጦ ክኢላ። "ካቢንዳ፡ ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጥኣ ካብ ኣንጎላ ዝተነጸለት ዞባ እያ። ስለዚ፡ ሰባት ካብ ካቢንዳ ናብ ሉንዳ ንምኻድ ዘለዎም ሕልሚ ልክዕ ከምቲ ብራዚልያውያን ናብ ኣመሪካ ንምኻድ ዘለዎም ሕልሚ'ዩ" ክትብል ትገልጾ። ዛኡ፡ ኣብ 2014 ኤሌክትሪካል ኢንጅነሪንግ ንክተጽንዕ ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር መጺኣ። ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ ካቢንዳ ነቲ ዝመረጸቶ ክፍሊ ትምህርቲ ዝኸውን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ [ዩኒቨርሲቲታት] ኣይነበራን። ግን ክኣ፡ ኣብቲ ዓብዪ ከተማ ዝተጸበየቶ ነገር ክውን ኣይኮነላን። "እታ ትኽክለኛ ሉንዳ ማዕረ እታ ንዓመታት ኣብ ርእሰይ ዝሃነጽኩዋ ኣይኮነትን" ኢላ። ኣብታ ሃገር ዘሎ ማሕበራዊ ዘይምዕሩይነት ሰብ መዝን ፖለቲካዊ ውሳነታቶምን ዝሓቱ ግጥሚታት ንክትጽሕፍ ምኽንያት ካብ ዝኾኑዋ እቲ ሓደ እዩ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝዘርግሓቶ ቪድዮ ብዙሓት ተቀባቢሎምዎ፤ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ ዕድመታት ክኣ ክመጽኡላ ጀሚሮም። ብ2021፡ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየዱ ክልተ ውድድራት [ኣብ ጓል ኣንስተይቲ ሻምፒዮን ቃላዊ ግጥሚ ሉሶፎን ክትዕወት እንከላ ኣብ ጉሊሄርሚና ሰላም ድማ ናይ መወዳእታ ተዓዋቲት ኮይና] ተሳቲፋ። ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሃገራዊ ውድድር ብራዚል -ስላም ብራዚል- ክትዕወት እንከላ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ኣብ ዝካየድ ፍጻመ ቃላዊ ግጥሚ ኮፓ ኣሜሪካ ዲ ስላም ንብራዚል ክትውክል እያ። "ስነ ጥበብ ኣእምሮና ክሓስቦ ብዘይኽእል ጎደና ናይ ምውሳድ ዝንባለ ኣለዎ" ትብል። ኣብዚ ዓመት፡ ዛኡ ንብራዚል ኣብ ክልተ ዓለምለኻዊ ውድድራት ክትውክላ እያ፤ እቲ ሓደ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልእ ኣብ ቤልጅም ክካየድ እዩ። "ሃገረይ ንዘይኮነት ክውክል እንከለኹ ዝተፈለየ ነገር ይመስል" ብምባል እትስሕቕ ዛኡ፡ "ግን ክኣ ንኣንጎላ ዝውክል ዘለኹ መሲሉ'ዩ ዝስምዓኒ። ኣብቲ ውድድር ንብራዚል እንተወከልኩ'ውን ወትሩ ኣንጎላዊት ከም ዝኾንኩ ወግዓዊ ስለ ዝገብሩዎ ሰብ ካበይ ከም ዝመጻእኹ ምፍላጡ ኣይተርፍን" ኢላ። ኣብ ኣንጎላ፡ ቃላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ቀረባ ግዜያት እናሰፍሐ ዝመጽእ ዘሎ ኮይኑ መብዛሕትኦም ደቂ ተባዕትዮ ዝርኣይሉ'ዩ ነይሩ። ዛኡ፡ ግን ግደ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ትኹረት ክወሃቦ ከም ዝግባእ ትዛረብ። "ደቂ ኣንስትዮ'የን ነዛ ሃገር ዘለዓዕልኣ። እዚ ኽኣ ኣብቶም ዘይስሩዕ ዕዳጋታት ምርኣይ ይክኣል፤ ብዙሓት ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ'የን። እዚ ኣብ ህይወትና ዘለዎ ቁጠባዊ ኣበርክቶ ልዑል'ዩ" ትብል። I absolutely hate peace Screw it, morals and good customs, the laws of physics that govern nature in time and space, I hate peace and I'm not of peace Peace doesn't mean anything to me, peace doesn't represent me Peace, a rag to a stained social fabric, peace is feigned Peace, pretends that freedom springs, while it makes us products on a conveyor belt and controls us through antennas Peace, wreaks havoc in winter, comes with a smile that opens like a flower in spring and corrupts our cries for justice ካብ Between Peace and Love, I prefer Loveዝተወስደ ኣንጎላ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ መረጻ ክተካይድ ወጢና ኣላ። ዛኡ ግን ኣብቲ እዋን ከጋጥም ንዝኽእል ነገራት ግምት ንምሃብ ትጽገም። "ሰባት ብዓይኒ ፖለቲካ ንነብሶም ክገልጹ ሕጂ'ውን ይፈርሑ'ዮም። ንክሓስቡ'ውን እዮም ዝፈርሑ። ብዙሕ ክንሰርሖ ዝግብኣና ነገራት ኣሎ" ኢላ። ኤርትራ፡ ደርፊ ዮናስ ምሕረትኣብ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሽልማት ተዓዊታ ኤርትራዊ ዮናስ ምሕረትኣብ ብኮሜድያዊት ደርፊ ‘ሓሚዳ’ ሽልማት ‘ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ’ ተዓዊቱ። ደርፊ ሓሚዳ ኣብቲ Best Artist, Duo or Group in African Traditional ብዝብል ምድብ ምስ 11 ካልኦት ደርፍታት ንሽልማት ተሓጽያ ምንባራ ይዝከር። ዮናስ ማይናስ ንኹሎም መወዳድርቱ ብምብላጽ እዩ ተሸላሚ እዚ ኣህጉራዊ ሽልማት ክኸውን ክኢሉ። እቲ ኣፍሪማ 'ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ' ዝተሰምየ ሽልማት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ሰሜን ኣፍሪቃ፣ ደቡባዊ ኣፍሪቃን ምዕራብን ኣፍሪቃን ብዝብል ንኣፍሪቃ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ብምምዳብ እዩ ሽልማታት ዝዕድል። ዮናስ ምሕረትኣብ ብዝያዳ ኣብ ስርሓት ኮሜዲ ኣብ ምእላይ 'ቪድዮ ክሊፕ' እውን ዓቢ ክእለት ዘለዎ ስነ-ጥበባዊ እዩ። ከም መርኣይኡ ድማ ኣብቲ ዓመታዊ ብሻሞት ዝውሃብ ሽልማታት ኣብ 2018 ብሓሙሽተ ዓውድታት ኣብ 2019 ከኣ ብተመሳሳሊ ብሓሙሽተ ዓውድታት ክሽለም ክኢሉ'ዩ። እታ ኣብ 2018 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ (ዳይሬክቲንግ) ዝተሸለመት 'ክንራኸብ ኢና' ዘርእስታ ደርፊ ቃልኣብ ተወልደመድህንን ኣብ 2019 ብጽቡቕ ኣተኣላልያ ዝተሸለመት 'ጎነይ' ዝኣርእስታ ደርፊ ናይ ኣብርሃም ኣለምን ዮናስ ምሕረትኣብ ማይናስ እዩ ኣልይወን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ (ኣፍሪማ) ልዕሊ 400 ደርፍታት ን30 ኣህጉራውን ን10 ዞባውን ሽልማታት ተሓጽየን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ተዓወትቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ሌጎስ ናይጄሪያ ሽልማቶም ተቐቢሎም። ኣፊሪማ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኦል ኣፍሪካን ሙዚክ ኣዋርድ ዓመታዊ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃን ካብ ኣፍሪቃ ወጻእን ንዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስነ-ጥበባውያን ሽልማት ይህብ። ኣብ ዞባዊ ሽልማታት 10 ዓይነታት ሽልማታት እዮም ዝውሃቡ። እዚኦም ኣብ ኣህጉራዊ ሽልማታት ኸኣ ብሉጽ/ ብልጽቲ ድምጻዊ/ት እዚ ዓመት፣ ብሉጽ ኣልበም፣ ብሉጽ ድምጻዊ ወይ ድምጻዊት እዚ ዓመት፣ ብልጽቲ ባህላዊት ደርፊ እዚ ዓመት፣ ብሉጽ ኣብ ደገ ዝቅመጥ ኣፍሪቃዊ ድምጻዊን ካልእን ዝብል ሰላሳ ሽልማታት ተዋሂቡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኤርትራዊት ተዋሳኢት ዊንታ ገረዝግሄር፡ በታ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ እትመሓለለፍ ዘላ ተኸታታሊት ፊልም ማጨሎ ብዝተላበሰቶ ገጸ ባህርን ብዘርኣየቶ ናይ ምውሳእ ብቕዓትን፡ በቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝመደበሩ ንኣፍሪቃውያን ተዋሳእቲ ዝሽልም ሳቲጉ ዝተሰመየ ትካል ምሽላማ ይዝከር። ዊንታ ብጽላት 'ቤስት ሆፕ ኣፍሪካን ቲቪ ሾው' እያ ካልኣይቲ ብምውጻእ ንሽልማት በቂዓ። ሳቲጉ ኣዋርድ ካብ ዝጅመር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ እብረታት ክሽልም ዝጸንሐ ኮይኑ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንሻድሻይ ግዘ እዩ ተኻይዱ። ብእትብል ሓጻር ዛንታ ክሽለም ከምዝኽኣለ ንቢቢሲ ገሊጹ። ኤርትራ፡ ስነጥበባዊት ዊንታ ገረዝግሄር ንሽላማት ሳቲጉ 2021 ተሓጽያ ኤርትራዊት ተዋሳኢት ዊንታ ገረዝግሄር፡ በታ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ እትመሓለለፍ ዘላ ተከታታሊት ፊልም ማጨሎ ብዝተላበሰቶ ገጸ ባህርን ብዘርኣየቶ ናይ ምውሳእ ብቕዓትን፡ በቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝመደበሩ ንኣፍሪቃውያን ተዋሳእቲ ዝሽልም ሳቲጉ ዝተሰመየ ትካል ንሽልማት ተሓጽያ። ዊንታ ብጽላት 'ቤስት ሆፕ ኣፍሪካን ቲቪ ሾው' እያ ንሽልማት ተሓጸያ ዘላ። ሳቲጉ ኣዋርድ ካብ ዝጅመር ንዝሓለፉ ሓሙሽተ እብረታት ክሽልመ ዝጸንሐ ኮይኑ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ንሻዱሻይ ግዚኡ እዩ ዝኸውን ዘሎ። እቲ መስርሕ ሽልማት ካብ 10 ክሳብ 13 ሕዳር ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላላየ ጽላታት ናይ ዓውዲ ፊልም ተሓጽዮም ካብ ዘለዉ ብዙሓት ተዋሳእትን ኣለይትን 38 ክሽለሙ እዮም። ዊንታ ገረዝግሄር ብሽልማት ተሓጽያትላ ዘላ ፊልም ማጨሎ፡ ንናብራ ሕብረተሰብ፡ ንሓዳርን ንፍቅርን ከምኡ'ውን ሓድሕድ ምትሕልላይን ስሰዐ ንዋይን ናይ ደቂ ሰባት እትድህስስ ተኸታታሊት ፊልም እያ። እዛ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ 50 ፈልምታት ናይ ኤርትራ ዝተዋሰአት ዊንታ፡ ኣብ ዓውዲ ፋሽን'ውን ከም ሞዴልን ከም ሰፋይት ቅዲ ክዳንን ኮይና ትሰርሕ እያ። ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ፡ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰምበል፡ 2ይ ደረጃ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባርካ ድሕሪ ምክትታል፡12 ክፍሊ ትምህርታ ንምዝዛም ናብ ሳዋ ወሪዳ። ኣብ ኢንስቲትዩት ስማፕ ብዓውዲ ትምህርቲ ምሕደራ ናይ ክልተ ዓመት ስልጠና ብምውሳድ ከኣ ኣብ 2016 ብዲፕሎማ ተመሪቓ። ዊንታ ገረዝግሄር፡ ብነፍሲሄር ኢሳይያስ ጸጋይ ተደሪሰን ዝተኣልያ ፊልምታት ጉያን ትማሊን፡ ብደበሳይ ወልዱ ዝተደርሰት ፊልም ጸጸር፡ ኣብታ ብፍትዊ ተኽለማርያም (ዲሰሎ) ዝተደርሰት ንጣብ ዝኽሪ ዘመን ዝኣመሰላ ኣብ ብዙሓት ፊልማታት ተዋሲኣ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኤሪ ቲቪ ወትሩ ሰንበት እትመሓላላፍ ዘላን ንሽልማት ዘሕጸየታን ማጨሎ ዘኣርእስታ ፊልም ኸኣ ኣብ ምውሳእ ትርከብ። ፊልም ማጨሎ ብደበሳይ ወልዱ ዝተደርሰት ኮይና፡ ተኣምራት ዩውሃንስ ዝተኣለየት ፊልም እያ፡ እታ ፊልም ክሳብ ሕጂ 92 ክፋል በጺሓ ኣላ። ዊንታ ገረዝግሄር፡ ኣብ ከም ከም በዓል ሃኒ፤ ህያብ ፍቑራት፡ ባንከይ፡ ጆሲ፡ ይቕረ ንመን፧፡ ባህጊ፡ መብራህቲ፡ ቤትናኳ ዓለም'ያን ካልእን ዝብላ ፊልምታት'ውን ከምዝተዋሰአት ኣብ 2020 ምስ መጽሄት መንእሰይ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ገሊጻ ኣላ። ሃዲስ ኣለማየሁ፡ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ክስድር ዝገበሩ ጸሓፊ ሃዲስ ኣለማየሁ፡ ሓርበኛ፡ ዲፕሎማት፡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣቦ ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ እታ ሃገር እዮም። እታ ደጋጊማ ምስ ስሞም እትዝከር ክሳብ ሎሚ ዝናኣ ዘይሃሰሰ፡ "ፍቅር እስከ መቃብር" (ፍቕሪ ክሳብ መቓብር) ዘርእስታ ብ1965 ዝተሓትመት መጽሓፎም ሓወልቶም እያ። እታ ሽዑ ብብዙሕ ህዝቢ ዝተነበትን ንዓመታት ኣብ ሬድዮ ዝተተረኸትን ዓባይ መጽሓፍ ዝሰዓቡ ወለዶታት ዘድንቑዋን ቍም ነገራን ስነ-ጥበባዊ ጽባቐኣን ዘይሃስስ ክላሲካዊት ስነ-ጽሑፍ ነበረት። እታ መጽሓፍ ዝተሓትመትሉ ዘመን፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ (ዓባይ ብሪጣንያ) ንመጀመርያ ጊዜ ንኢትዮጵያ ዝበጽሓሉ፡ መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ስርዓቱ ዘጽንዓሉን ስልጣኑ ዘደልደለሉን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ትምህርቲ ብዝላ ዝሰጎመሉ እዋን ነበረ። ብኻልእ ሸነኹ ከኣ ኤርትራውያን፡ ብተደጋጋሚ ፖለቲካዊ ሕቶኦም ክስማዕ ጸዊዖም ሰማዒ ምስ ሰኣኑ ብተቓውሞን ኣድማን ድምጾም ዘስምዑሉ፡ ክብሮምን መሰሎም ምስተጋህሰን ከኣ ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩሉን ከም ሳዕቤኑ ብዙሕ ሰብ እተኣስረሉን ብጭካነ ዝጸንተሉን እዋን ነበረ። እንተኾነ ኣብ መዳይ ስነ-ፍሑፍ መጺእካ እታ ዓቢ ኣድናቖት ዘትረፈት ንመስፍናዊ ጠባይን ኣካይዳን እቲ ሕብረተሰብ ብዝግባእ እተንጸባርቕ፡ " ፍቅር እስከ መቃብር" ፍቕሪ ክሳብ መቓብር ዘርእስራ መጽሓፍ እንኮላይ ኣብ ኤርትራ ብብዝሒ ትንበበሉ ዝነበረት ዘበን እዩ። ኣብቲ እዋን ስርዓት ትምህርቲ ኤርትራ ካብ ትግርኛ ናብ ኣምሓርኛ ተለዊጡ ቈልዑ ኣብ ክንዲ "ዓርኪ ተመሃራይ" "ለማ በገበያ" ዝኣርስቱ መጻሕቲ መለማመዲ ንባብ ዝመሃርሉ ዝነበሩ እዋን ነይሩ። "ፍቕሪ ክሳብ መቓብር፡ ታሪኽ፡ ባህልን ልምድን፡ መነባብሮ ሰባትን እትገልጽ "ሕቡእ ፖለቲካ" ዝሓዘለት መጽሓፍ ብምዃና ተመሊስናን ደጋጊምናን ከነንብባ እትግብኣና መጽሓፍ'ያ'' ይብል ተመራማሪ ዳዊት መስፍን። ሃዲስ ኣለማየሁ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኮይኑ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ከምዘገልገለ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ። ''ንኵነታት ህዝብን ስርዓት መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴን ብቐረባ ዝፈልጡን እቶም ዝጽሕፍዎም ዝነበሩ ዛንታታት'ውን በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዘይምዕሩይ ናብራ ነይሩ'' ክብል ዳዊት ይዛረብ። እታ 35 ምዕራፋትን 552 ገጻትን ዘለዋ መጽሓፍ ብዛዕባ ፍቕሪ በዛብህ ዝተባህለ ወዲ ሓረስታይን ሰብለወንጌል ዝተባህለት ጓል ሃብታምን ኰይኑ፡ እቲ ዝነበረ መስፍናዊ (ጉልታዊ) ስርዓትን ባህልን ብከመይ ኣገባብ ንፍቕሮም ከም ዝተጻብኦም እትገልጽ ዛንታ'ያ። እታ መጽሓፍ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣብ ሞንጎ ምርኡያትን ዝተደቝሱን ወይ ከኣ ዘይምዕሩያን ደርብታት ዝነበረ ሰላሕታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ዉሽጢ መንግስትን ቤተ ክርስትያንን ንድኻን ታሕተዋይ ደርብን ዝደቍስ ዝነበረ ሽርሒ ኣጕሊሓ እተርኢ ዛንታ ብምዃና ኣብ ልብን ኣእምሮን ኣንባቢ ብቐሊሉ ክትሰርጽ ከኣለት። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እታ ዛንታ እቲ ህዝቢ ዝርእዮን ዝምኰሮን ዝነበራ ናብራ ብጽሑፍ ኣቐሚጣ ሰውራዊ መንፈስ ክሰፍን ዝደረኸት'ያ ክበሃል ይከኣል። እታ መጽሓፍ ንቕጽበት ተቐባልነት ዝረኸበትሉ ምኽንያት ብኣፋትል ፍቕሪ ዝተኣሳሰረት ዛንታ ብምዃና ጥራይ ዘይኰነስ መስትያት ሕብረተ-ሰብ ኰይና ንህዝቢ ኣብ ከመይ ዓይነት ዓዘቕቲ ከም ዝነበረ ከተርኢ ብምኽኣላ'ዩ። እታ ዛንታ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘመን ንጉስ ሃይለስላሴ ከመይ ከም ዝነበረት፡ እቶም ባህልታትን ልምድታትን ናይ'ቲ ዘመን ከመይ ኢሎም ምስ ጥቕምታት ላዕለዎት ደርቢ ተኣሳሲሮም ከም ዝነበሩ፡ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ወጽዓ ተቐቢሉ ባዕሉ ነቲ ሓንኳል ስርዓት ይከናኸኖ ከም ዝነበረ ተርኢ። "ፍቕሪ ክሳብ መቓብር" ኣመና ዉርይትን ፍትውትን ስለ ዝነበረት፡ ኣብ ዘመን ሃይለስላሴ፡ ደርጊ፡ ድሕሪ ደርጊ ትሽዓተ ጊዜ ተሓቲማ። ኣብ ትምህርቲ ዓለም፡ ተመሃሮ መጻሕፍቲ ናይ ዓበይቲ ኢትዮጵያውያን ጸሓፍቲ - ከም ሃዲስ ኣለማየሁ፡ በዓሉ ግርማ፡ ኣቤ ጉበኛ፡ ጸጋየ ገብረመድህን፡ መንግስቱ ለማ፡ ዳኛቸው ወርቁ፡ ማሞ ዉድነህ - ዝንብብሉ እዋን ነበረ። ኰይኑ ድማ መልእኽቲ ናይ'ታ መጽሓፍ ኣበዮ ኵርንዓት ሃገር በጺሑ'ዩ ክበሃል ይከኣል። ሃዲስ ኣለማየሁ ብ 17 ጥቅምቲ 1909 ካብ ኣቦኦም ቀሺ ኣለማየሁ ሰሎሙን ሃይሉ፡ ኣዲኦም ወይዘሮ ደስታ ኣለሙ (ጓል ቀሺ) ኣብ ኣውራጃ ደብረማርቆስ እትርከብ እንዶዳም ኪዳነ ምህረት ዝስማ ቍሸት'ዩ ተወልዱ። ኣባሓጎኦም (ብኣዲኦም) ኣብ ገዳም ናይቲ ቍሸት ናይ ዜማ ቤተክርስትያን መምህር ስለዝነበሩ፡ ሃዲስ ካብኦም፡ ካብ ፊደል ግዕዝ ጀሚሮም ክሳብ ኣቕላስያዊ ትምህርቲ ብዙሕ'ዮም ተማሂሮም። ሃዲስ ኣብቲ ገዳም ብኣቕሽሽቲ ተኸቢቦም ባህልን ጸሎትን ቤተክርስትያን፡ ቅኔን ዜማን እናተማህሩ ክዓብዩ ጀመሩ። ብ1925 ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም ከኣ ብሽወደናውያን ሚስዮናውያን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊቦም ቋንቋ እንግሊዘኛ ብግቡእ ተማህሩ። ጸኒሖም፡ ብሓገዝ ራእሲ ሃይሉ ተኽለሃይማኖት ናይ ጎጃም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈሪ መኰነን ኣትዮም ብፍልጠት ሰጒሞም። ሃዲስ ቅድሚ ህብቡነቶም ሓያል መምህር ከም ዝነበሩ ይዝንተወሎም፣ ኣብ ሓይሊ ትምህርቲ ብዕቱብ ዝኣምኑ ሰብ ነበሩ ይበሃል። ብዙሕ ዘይዝረበሉ ድማ ንፉዕ ገጣሚ ምንባሮም'ዩ። ብ 1935፡ ድሮ ጣልያን ንኢትዮጵያ ምጕባጣ፡ ሃዲስ ንደብረማርቆስ ተመሊሶም ንደቂ ዓዶም ከባራብሩ ጀመሩ - ኣብ ምክልኻል ሃገር ምእንቲ ክዋፈሩ። ኣብ ትሕቲ ራእሲ እምሩ ሃይለስላሴ ኰይኖም ድማ ብመጀመርታ ኣብ ሰሜን ኣብ መስመር ግንባር ተሰለፉ፣ ጸኒሖም ድማ ከም ደባይ ተዋጋኢ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ንሃገሮም ተኸላኸሉ። ኣብ 1896: ኣብ ዉግእ ዓድዋ፡ ኢትዮጵያ ንጣልያን ብምስዓር ንክብሪ ጣልያን ባይታ ከም ዝዘብጥ ገይሩዎ ነበረ። እቲ ስዕረት'ቲ ንጣልያን ክዋሓጠሎም ስለ ዘይከኣለ ሕኒኦም ንክፈድዩ ዝተኣልመ ወራር ከምዝነበረ ይግለጽ። ብ1936 ብጣልያን ተማረኹ፡ ምስ በዓል ይልማ ዴረሳ ዝነበርዎ ጕጅለ፡ ተኣሲሮም ንዓዲ ጣልያን ተወስዱ። ኣብ ዓዲ ጣልያን ክሳብ ሕዳር 1943 ተኣስሩ። ናይ ኪዳን ሓይልታት ንፋሺስቲ ጣልያን ምስ ሰዓሩ ኸኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጽኡ። ካብ ዓዲ ጣልያን ምስ ተመልሱ ኣብ ፖለቲካ ኣትዮም ክሳብ 1974 ኣገልገሉ። ኣብ እየሩሳሌም (ከም ላዕላይ ቆንስል) ኣብ ዘገልግልሉ ዝነበሩ እዋን ከኣ ምስ ወይዘሮ ክበበጸሃይ በላይ፡ ኣብ እየሩሳሌም ዝዓበያ ተራኺቦም ሓዳር መስረቱ። ብተወሳኺ ሃዲስ ኣለማየሁ ከም ቀዳማይ ተጸዋዒ ናይ ኢትዮጵያ ለጋስዮን ኣብ ዋሺንግተን (ሕ.መ.ኣ. )፣ ዋና ኣማሓዳሪ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት፣ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኖም ኣገልገሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ከም ሚኒስተር ትምህርቲ ኣገልገሉ፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ከም ኣምባሳደር ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ተላእኩ። ኣብ ፍርቂ ስሳታት ብጥዕንኦም ክሽገሩ ስለ ዝጀመሩ ካብ ፖለቲካ ክርሕቁ ፈተኑ። ኣብቲ እዋንቲ'ዮም "ፍቕሪ ክሳብ መቓብር" ዝጸሓፉ። ከይፈተዉ፡ ኣብ ትሕቲ ጠቕላሊ ሚኒስተር ኣክሊሉ ሃብተወልድ ናይ ልምዓት መደባት ሚኒስተር ተሾሙ። ክሳብ ደርጊ ዝመጽሉ እዋን ኣብ ስራሕ መንግስቲ ነበሩ። ኣብ ጊዜ ደርጊ ከም ጠቕላሊ ሚኒስተር ንክሰርሑ ብጀነራል ኣማን ዓንዶም ዕድመ ተገብረሎም፣ ግን ይኣኽለኒ ኢሎም ነቲ ጻውዒት ከይተቐበልዎ ተረፉ። ኣብ ዘመን ደርጊ ነቲ ዝሓቐቐ ፓርላማ ንምትካእ ዝተገብረ ፈተነ ከም ኣማኻሪ ኰይኖም ንኽልተ ዓመታት ኣገልገሉ። እዚ ዅሉ ብስራሕ መንግስቲ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ልቦም ኣብ ስነ-ጽሑፍ ነበረ። ዕድል ክረኽቡ ድማ መጻሕፍቲ ይጽሕፉ ነበሩ። ኰይኑ ድማ "የአበሻና የወደኋላ ጋብቻ"፡ "ተረት ተረት የመሰረት"፡ "ፍቅር እስከ መቃብር"፡ "ወንጀለኛው ዳኛ"፡ "የልምዣት"፡"ትዝታ" ዝበሃላ መጻሕፍቲ ንህዝቢ ከቕርቡ ኸኣሉ። ሃዲስ ኣለማየሁ በቲ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኢትዮጵያ ዘበርከትዎ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብ1999 ናይ ክብሪ ዶክቶርነት ተቐቢሎም'ዮም። ሃዲስ ኣለማዮሁ ብ7 ታሕሳስ 2003 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 94 ዕድሚኦም ዓረፉ። ሬሳኦም ኣብ ቤት ክርስትያን ቅድስቲ-ስላሴ ይርከብ። ቅዳሴ ቀብሪ ብፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኣቡነ ጵውሎስ ተመሪሑ፡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን ፈተውቶምን ዝተረኽብሉ ዓቢ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተኻየደ። ንክብሪ ሃዲስ ኣለማየሁ ኣብ ደብረማርቆስ ሓወልቲ ተተኺሉ ይርከብ፣ ንታሪኾም ዝገልጽ፡ ብኣስፋው ዳምጤ ዝተጻሕፈ "የክቡር ዶክተር ሓዲስ ኣለማየሁ የሕይወት ታሪክ" ዘርእስቱ መጽሓፍ'ዉን ንህዝቢ ቀሪቡ'ዩ። እታ ዉርይቲ መጽሓፎም ብሲሳይ ኣየነው ናብ እንግሊዘኛ ተተርጒማ'ያ ("Love Unto Crypt")። ናብ ካልእ ቋንቋታት፡ እንኮላይ ናብ ትግርኛ እንተትርጎም ከኣ ንስነ-ጽሑፍ መሀብተመቶ ይብል ተመራማሪ ታሪኽ ዳዊት መስፍን። መረጻ ኡጋንዳ 2021፡ 'ፕረዚደንት ድኻታት' ቦቢ ዋይን መን'ዩ? ኣብ ኡጋንዳ ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ተኻይዱ ኣይፈልጥን። እቲ ካብ ኢንዳስትሪ ስነ ጥበብ ናብ ፖለቲካ ዝተጸምበረ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ሬጌ ፖፕ ቦቢ ዋይን ግን ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ክዕወት ሓያል ትጽቢት ኣሎ። ቦቢ ዋይን ኣብቲ መረጻ ዝዕወት እንተኾይኑ ስልጣን እቲ ን35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ከብቅዕ እዩ። ወዲ 38 ዓመት ሙዚቀኛ ኣባል ባይቶ ቦቢ ዋይን ትኽክለኛ ሽሙ ሮበርት ኪጉላኒ እዩ። ኣብ ማእከላይ ኡጋንዳ ካኖኒ ኣብ እትብሃል ናይ ገጠር ከተማ ሰፍ ዘይብል ድጋፍ ኣለዎ። ትውልዲ ዓዱ እውን እያ። ብኣብዝሓ ቀይሕ ክዳን ዝተኸደኑ (ብብዝሒ ደቂ ተባዕትዮ ዝኾኑ) መናእሰይ ንዕኡ ዘለዎም ድጋፍ ንምርኣይ ብተደጋጋሚ ከቢቦምዎ ይርኣዩ። ቦቢ ዋይን: ምስ ደገፍቱ ክራኸብ እንከሎ 'ፕሬዝደንት ድኻታት' ኢሎም እዮም ዝጽውዑዎ። ኣብ ፕሬዝደንታዊ ውድድር ክሳተፍ ምስ ጀመረ: ቦቢ ጥይት ዝከላኸል ክዳንን ቆቢዕን ክገብር ጀሚሩ። ብታሕሳስ መኪንኡ ብጥይት ተሃሪማ ንሕንጢጥ ተሳሒቱ። በዚ ምኽንያት 'ህይወተይ ኣብ ሓደጋ እዩ' ኢሉ ክሓስብ ከም ዝጀመረ ይዛረብ። ኣብ ካኖኒ ጎስጓስ መረጻ ኣብ ዘካየደሎም እዋናት ብዙሕ ግዜ ፖሊስ ጥይት ይትኩስን መንብዒ ትኪ ይጥቀምን ስለ ዝነበረ ቦቢ ዋይን ቅርትኡ ክገልጽ ጸኒሑ። ናይዚ ምኽንያት ተሳተፍቲ መምርሒታት ምክልኻል ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንዘየኽብሩ ሰባት ንምብታን ከም ዝኾነ ሰብ መዚ ይገልጹ። ቦቢ ዋይን ግን እዚ ካልእ መገዲ ምጉልእላእ እዩ ኢሉ ይኣምን። እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ማዕበል ህዝቢ ስለ ዘሎ ክዕወት ኣይኽእልን ይብል። "ሰባት ስቕ ኢሎም ኣይኮኑን ዝስዕቡኒ። ነቲ ኣነ ዝኽተሎ ሓሳብ እዮም ዝስዕቡ" ክብል ብ2019 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ ነይሩ። "ኣነ ዝጀመርኩዎ ስለ ዘየለ ኣነ ኣይውድኦን። ኣነ ሓደ ካብቶም ዝሓሸ ነገር ዝደልዩ ሚሊዮናት ኡጋንዳውያን እየ" ። ተበጻሕነት ኣገልግሎት ጥዕና፣ ትምህርቲ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይን ፍትሕን ምዕባይ ዝብሉ ዕላማታት ኣብ ማኒፌስቶ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ሃገራዊ ሓድነት (ኤንዩፒ) ሰፊሩ ኣሎ። እዚኦም ኩሎም ክፍጸሙ ዝኽእሉ ድማ ፕሬዝደንት ሙሴቬኒ ካብ ስልጣን ብምእላይ ጥራሕ እዩ ይብል። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታትን ልዕሊኡን ስራሕቲ ሙዚቃ ቦቢ ዋይን ነዞም ማሕበራዊ ጉዳያት ጠመተ ዝገበሩ ኮይኖም መጺኦም፤ ንብዙሓት ድማ ኣለዓዒሎም። ገለ ሓቅታት መረጻ ኡጋንዳ ምንጪ፡ ሓበሬታ ኮሚሽን መረጻ ኡጋንዳ ጓል 23 ዓመት ተመሃሪት ሕጊ ማሪኖ ኪራቦ ሓንቲ ካብ ደገፍቱ ኮይና ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንምዃን ትንቀሳቐስ ኣላ። "ናብ ፖለቲካ ቅድሚ ምእታው ጀሚሩ ንመናእሰይ ዝውክል ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ብሙዚቃታቱ ኣቢልካ መናእሰይ ዘጋጥሞም ዘሎ ማሕበራዊ ጉዳያት ክርዳእ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ ትፈልጦ፤ ብፍላይ ከኣ ናይ ድኻታት መናእሰይ ጸገም" ትብል። ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ብ1986 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ቦቢ ዋይን ኣብ ገጠር ካኖኒ ዝነብር ወዲ 4 ዓመት ህጻን እዩ ነይሩ። ማእከላይ ኡጋንዳ ዕርዲ እቲ ንፕሬዝደንት ሙሴቬኒ ናብ ስልጣን ዘምጽአ ሃገራዊ ሰራዊት ተቓውሞ [ኛሽናል ዚዝተንስ ኣርሚ] ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ክንፊ ተቓውሞ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ ናብ ስልጣን መጺኡ። ኣቦ ሓጉኡ ንቦቢ ዋይን ዮዜፉ ዋላኪራ ኣባል ዝተፈላዩ ዓመጻት'ኳ እንተነበረ ኣብቲ ግጭት ዝነበረሉ እዋን ንሙሴቬኒ ኣብ ገዝኡ የዕቑቦ ነይሩ። ዋላኪራ ኣብ ግዜ እቲ ኵናት ሓድሕድ ቖሲሉ ክመውት እንከሎ: መንበሪ ገዝኡ'ውን ብቦንባ ተሃሪሙ ሰለስተ ኣባላት ስድርኡ ተቐቲሎም'ዮም። ድሕሪኡ ስድራ ቦቢ ዋይን ናብ ካምፓላ መጺኦም። ኣዲኡ ማርጋሬት ናሉንኩማ ነርስ ኮይና ፍልጥቲ ጾማቍት ዋይን እውን እያ። ኣብ ሻውል ካምዎክያ መሬት ዓዲጋ፤ ቦቢ'ውን ሕጂ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ሙዚቃ ስቱድይኡ ኣብኡ ከፊቱ። መባእታውን ካልኣይ ብርክን ትምህርቱ ካብቲ ዝዓበየሉ ሻውል ብዙሕ ዝርሕቁ ኣይነበሩን። ቖልዓ ኮይኑ ፍቕሪ ጥበብ ዝሓደሮ ቦቢ: ናብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ኣትዩ ማሕበራዊ ሳይንስ ቐዳማይ ዲግሪ ከጽንዕ ጀሚሩ ነይሩ። ድሕሪ ሓደ ሰሚስተር ግን ናብ ሙዚቃ፣ ተልሂትን ድራማን ብምቕያር ብ2003 ብዲፕሎማ ተመሪቑ። ህቡብ ሙዚቀኛ ሬጌ ቦቢ ዋይን ብ2019 ዓ.ም'ዩ ናብ ፖለቲካ ተጸምቢሩ። "ኩሉ ብናይ ሙዚቃ ስርሐይ ኣቢልኩም ትፈልጡዎ ኢኹም፤ ሰባት ብዛዕባ ዝሓልፉዎም ዘለው ጸገማት እየ ክደርፍ ጸኒሐ። እዚ ማለት ብሙዚቃዊ ስረሓት ኣቢለ ይጉስጉስ ነይረ ማለት'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ'ዩ። 'ቱሊያምባላላ ኢንጉሌ' (ዘውዲ ዓወት ክንደፍእ ኣለና) ዝተሰምየት ሙዚቃ ቦቢ ዋይን ሓንቲ ካብተን ብወግዒ ዘይተኣወጃ መዝሙራት ጎስጓስ ኮይና እያ። ቦቢ፡ ኣባል ባይቶ ኮይኑ ብ2019 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕትት "ሓደ ክቡር ወያናይ፡ ስለምንታይ ኣብ ዓለም ካብ ሞንጎ ዝነዓቑ ውልቀ መለኽቲ ክኸውን ወሲኑ?" ክብል ንመነሓንሕቱ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ነቒፉ ነይሩ። "ይኹን'ምበር እዚ ሕጂ ኩላትና እንብሎ ዘለና ሙሴቬኒ'ውን ኣብ ናትና ዕድመ እንከሎ ዝብሎ ዝነበረ ስለ ዝኸነ ንኹላትና ትምህርቲ'ዩ። ስለ ዝኾነ እዚ ንርእስና ጥራሕ ከድሕኑና ዝኽእሉ ትካላት ናይ ምህናጽ ሓሳብ ጥራሕ ዘይምዃኑ ክንዝግዖ የብልናን"። ኣብ ሞንጎ እቲ መንእሰይ ሰሓቢ፣ ጠንካራን መለዓዓልን ዩዌሪ ሙሴቬንን ናይ ሎሚ ቦቢ ዋይንን ዘሎ ንጽጽር ብቐሊሉ ክትሰግሮ ዝክኣል ኣይኮነን። እቲ ብ41 ዓመቱ ኮማንደር ዓመጽ ኮይኑ ስልጣን ዝጨበ ፕሬዝደንት፡ ንኡጋንዳውያን ዝሓሸ ድሕነት፣ ጠንካራ ቑጠባን ብሉጽ መጻኢን ከም ዘረጋግጽ ቃል ይኣቱ ነይሩ። ሕጂ ድማ፡ እቲ ሎሚ ተነሓናሒኡ ኮይኑ መጺኡ ዘሎ መንእሰይ ህዝባውነት ዘጥቅዖን ተመሳሳሊ ስሕተት ከይፍጽምን ዝሰግኡ ኣለው። ኣብ ኬንያ እትርከብ ሕጂ 'ናይ ፖለቲካ ስደተኛ' ከም ዝኾነት እትዛረብ፡ ነጣፊት ጓል 24 ዓመት ሲፔሪያ ሞሊ ኣብ ቦቢ ዋይን ተስፋ ኣይትገብርን። ብ2019፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማካሬሬ ይካየዱ ኣብ ዝነበሩ ተቓውሞታት ተመሃሮ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት እያ። በዚ ምኽንያት ብወተሃደራት ተጨውያ ተወሲዳ ነብሳ ክሳብ እትስሕት ከቢድ ማህረምቲ ከም ዝበጽሓ ትዛረብ። ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት፡ ብዝተወሰነ መልክዑ ኣባል ሰልፊ ቦቢ ዋይን ኮይና ነይራ፤ እንተኾነ "ናይ ስነ ሓሳብ ሕጽረት ኣለዎ እዩ" ኢላ ስለ ዝኣመነት ወጺኣ። "ፕሬዝደት ምስ ኾነ ብዛዕባ ዝህልዎ ፖሊሲ ቑጠባ ተሓቲቱ" ትብል ብሓምለ 2020 ንሓደ ሬድዮ እታ ሃገር ዝሃቦ ቃለ መሕትት ብምዝኽኻር። "ኣብ የማን ወይ ጸጋም ዋልታ ስነ ሓሳብ ዲኻ ዘለኻ ተባሂሉ ተሓቲቱ'ዩ፤ ግን ድማ ሓደን ሓደን ኣይበለን። ውጽኢት ዘምጽአልና ሒዝና ክንቅጽል ኢና ኢሉ። እዚ ኸኣ ትርጉም ዝህብ ኣይኮነን" ኢላ። ኣብ ካኖኒ ካብ ዝረኽቦ ደገፍ ሰዓብቱ ወጻእ፡ ተቐባልነት ቦቢ ዋይን ክሳብ ክንደይ'ዩ፣ እቲ ዝርኣይ ናይ መናእሰይ ደገፍከ ኣብ እዋን መረጻ ናብ ድምጺ ክቕየር ድዩ ዝብል ርግጸኛ ምዃን ኣይክኣልን። ቑጽሪ ንክመርጹ ዝተመዝገቡን ዝህቡዎ ድምጽን ኣዝዩ ውሑድ'ዩ። ኣብ ኡጋንዳ ተሓጋጋዚ ዳህሳስ ኣፍሮባሮሜትር ፍራንሲስ ኪቢሪጌ ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ ኡጋንዳ ዝካየዱ መረጻታት ከጽንዕ ጸኒሑ። ቦቢ ዋይን ፕሬዝደንት ዩዌሪ ሙሴቬንን ሰልፊ ኤንኣርኤምን ቅድሚ ኢሎም ኣብ ዝተኻየዱ መረጻታት ዝረኸቡዎ ዓብላሊ ድምጺ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ኣለዎ'ዶ ዝብል ሕጂ'ውን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ'ዩ ይብል። ደገፍቲ ሰልፊ ኤንኣርኤም፡ ነቲ ውድብ ኮነ ነቲ ፕሬዝደንት ከም "መውሓስቲ ሰላም" ገይሮም ስለዝርእዩዎ ሰልፊ ቦቢ ዋይን ኤንዩፒ ከኣ ነዚ ኣሰኒፉ ንምውጻእ እኹል ስራሕቲ ኣይሰርሐን ኢሉ። ካብ ሕሉፍ ሓሙሽተ መረጻታት ብዝተፈለየ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መረጻ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ፣ ሚዲያን ተሓለቕቲ ሲቪክ ማሕበረሰብን ብዝበጽሑ መጥቃዕታት ክሲ ክቐርበሉ ተራእዩ። ብሕዳር 2020፡ ብምኽንያት ማእሰርቲ ቦቢ ዋይን ኣብ ዝተኻየደ ዓመጽ ደገፍቱ ፖሊስን ወተሃደራትን 54 ሰባት ቐቲሎም'ዮም። ካብዚ ብዝብገስ ኣብ ልዕሊ ፍትሓውነት እቲ መረጻ ሕቶ ዘልዕሉ ብዙሓት ኣለው። ቦቢ ዋይን ግን፡ ዝኾነ ይኹን ሰባት ድምጾም ብምሃብ ኣብቲ መረጻ ክሳተፉ የተባብዕ። "ህዝቢ ኡጋንዳ ኣብ ጎንና ስለ ዝኾነ ሰብ ርእሰ ተኣማንነት ኢና። ታሪኽ'ውን ኣብ ጎንና ስለ ዝኾነት ሙሴቬኒ ክስዓር'ዩ" ክብል ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ተዛሪቡ ነይሩ። ቪክቶር ቶሲ፡ 33 ዓመት ዘቑጸረት ደርፊ ኣብ ቤላሩስ መዝሙር ለውጢ ኮይና ኣብ ቤላሩስ ንዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ንዝከታተል ሰብ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጉጅለታት ተሳተፍቲ እቲ ተቓውሞ ዝስማዕ ሓደ ዓይነት ድምጺ ምስምዑ ኣይተርፎን። እዚ ድምጺ ሓንቲ ደርፊ ኮይና፡ 'ኮቹ ፔርሜን' መጸውዒ እታ ደርፊ'ያ። ብዛዕባ ለውጢ ተዝይም፤ ንዓመታት ድማ መቓልሕ ኣብ መላእ ምብራቕ ኤውሮጳ ንዝርከቡ ሚልዮናት ህዝቢ ኮይና ኣላ። ኣገዳስነት እዛ ደርፊ ንምርዳእ ቅድሚ 30 ዓመት ኣብ ሴንት ፒተርስበርግ ዝሞተ መንእሰይ ኢንጅነር ምዝካር ግድን ክኽውን አዩ። ብ1980ታት ቪክቶር ቶሲ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ኣቑሑ ሜካኒክን ኤሌክትሪክን ዝቕመጠሉ ክፍሊ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅዱስ ቦታ ኮይኑ ንዝኽሩ ተዓቂቡ ይርከብ። ኢንጀነር ቶሲ፡ ክሳብ ክንድዚ ሽሙ ዘጸውዖ ስራሕ ሰሪሑ ዝሓለፈ ኣይኮነን። የግዳስ ብ1987 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝፈረየ 'ኣሳ' ዝተባህለ ፊልም ኣብ ሕብረት ሶቭየት ህቡብነት ዘጥረየ ስነ ጥበባዊ ስረሓት'ዩ። ሓደ መንእሰይ ደራፊ ድማ ናብ ሬስቶራንት ብምኻድ ሕግታት ፍሉጥ ምርኢት ኣቕራቢ ወይ'ውን ተዋሳኢ እናተዛረበ እቲ ፊልም ክውዳእ ይርኣይ። ገጣሚ ምዃኑ ብምግላጽ ናብቶም ዝጽበዩዎ ዘለው ጉጅለ ሙዚቃ ይሕወስ። እቲ ደርፊ እናበርትዐ እንትኸይድ እቲ ካሜራ ኣብ ዙርያ ቪክቶርን ኣብቲ ንብዙሓት ሰባት ምርኢት ዘቕርብ ዘሎ ጉጅለ ሙዚቃን ትዘውር። እዚ ደርፊ "ኮቼ ፔርሜን" እዩ፤ [ለውጢታት፣ ለውጢ ንጽበ ኣለና] ዝብል ደርፊ። ብዛዕባ ቶሲ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃርሊንግሃም ዝጽሓፈት ካሮሊን ሪድለር፡ እቲ ኣጋጣሚ ምስ ህዝቢ ከም ዘላለዮን "ኣርማ ለውጢ" ኮይኑ ከም ዘስመዮን ትዛረብ። ኣብ መጀመርታ 1980ታት ኣብ ሶቭየት ሕብረት ዝለዓለ ምንቅስቓስ ለውጢ ዝነበረ ቅዲ ሙዚቃ ሮክ እዩ። በዚ ምኽንያት ጽኑዕ ክትትል ይግበር ስለ ዝነበረ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝፈረዩ ስራሕቲ እዚ ቅዲ ሙዚቃ ተሓቢኦም ናብታ ሃገር ይኣትው ነይሮም። ፊልም 'ኣሳ' ግን ምልክት ቅልጡፍ ናይ ባህሊ ለውጢ ብምዃን ሚካኤል ጎርቫቾቭ ሒዙዎ ንዝመጽአ ፖሊሲታት ግላስኖስትን [ግሉጽነት] ፔሬስትሮካን [ፖለቲካውን ቑጠባውን ዳግመ ምውቓር] መበገሲ ኮይና እያ። እነሆ ኣብ መበል 30 ዓመት ድማ ቶሲ ኣብታ ፊልም ዝተጻወታ ሙዚቃ ኣብ ቤላሩስ ጎደናታት ሚኒስክ ለውጢ ብዝጠልቡ ተቓወምቲ ትጋዋሕ ኣላ። ብ2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ]፡ ኣብ ሩሲያ'ውን ኣንጻር ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ብዝወጽኡ ተቓወምትን ደገፍቲ ፑቲንን ተደሪፋ እያ። ካሮሊ ሪድለር "ሕጂ እዛ ደርፊ መዝሙር ፖለቲካዊ ተቓውሞ ኮይና'ያ" ትብል። ግን ድማ ቶሲ ከም ሓደ ናይ ሰውራ ሰብ ገይርካ ምጥቃም ጌጋ እዩ ኢላ። ንሱ ከም ዝበሎ እቲ ደርፊ ፖለቲካዊ መዝሙር ክኸውን ወይ'ውን ናይ ለውጢ ኣርማ ተገይሩ ክውሰድ ዝብል ዕላማ ኣይነበሮን ትብል። "ግላስኖስትን ፔሬስትሮካን ንክመጽእ ይገብር ነይሩ። ብቴሌቪዥን'ውን ቀሪቡ ይፈልጥ'ዩ። እቲ ደርፊ ብዛዕባ ውሽጣዊ ለውጢ ምዃኑ ድማ ተዛሪቡ'ዩ"። ሓቂ'ዩ፡ እቲ ደርፊ ብብዙሕ መልክዑ ካብ መነዓዓቢ ነገራት ዝተፈለየ እዩ። "ተኸልኪሎም ኣይፈልጡን፤ ፊልም ኣሳ'ውን ናይ ሶቭየት ሕብረት ፊልም ኮይኑ ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ወግዓዊ ፖሊሲታት ሶቭየት ዝገልጽ'ዩ" ትብል ካሮሊን። ይኹን'ምበር ኣብ 30 ዓመቱ ትሕዝቶ ግጥም ቀስቓሲ መዝሙርን እቲ ደርፊን ብርክት ዝበሉ ተቓውሞ ዘስምዑ ናዕበኛታት ድሌታቶም ንምግላጽ ክጥቀምሉ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ። ግጥምታት እቲ ደርፊ ብግልጺ ነዚ ዓይነት ለውጢ'ዮም ዝምልከቱ ኢልካ ክትገልጾም ቀሊል ኣይኮነን። ንኹሉ ዓይነት ለውጢ ክትጥቀመሎም ግን ትኽእል። ቶሲ ግን ስለምንታይ እዩ ዝዝከር ዘሎ? ኣብ ሩሲያ፡ ሓቢሩዋ ዝነበረት ጉጅለ ሙዚቃ ኪኖ ተኣኻኺባ ቪክቶር ቶሲ ዝሞተሉ ዓመት ትዝክር ኣላ። ካልእ ዝኽሪ'ውን ኣሎ፤ እቲ ዝዓበየ ኣብ ካዛኪስታን ዝተዳለወ'ዩ። ወላዲ ኣቡኡ ኣብ ካዛኪስታን ካብ ዝርከቡ ኮርያውያን እዩ። ውርሻታቱ ግን ዝተሓላለኹ'ዮም። ቪክቶር ቶሲ፡ ፍሉጥ ሙዚቀኛ ሮክ ክኸውን ዝደሊ ክኢላ ሙዚቃ ሮክን ኣባል ክለብ ሮክ ሌኒን ጋርድን ነይሩ። ኣብ ፊልሚታትን ምድላዋት ቴሌቪዥንን'ውን ብብዝሒ ይቐርብ ነይሩ። ቪክቶር ቶሲ ብሓደጋ መኪና ብ1990 ወርሒ ነሓሰ እዩ ሞይቱ። እቲ ግዜ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ከቢድ ነውጺ ዝተላዕለሉ'ኳ እንተነበረ ቅድሚ ሶቭየት ሕብረት ምፍርራሳን ፖለቲካዊ ናዕቢ ምልዓሉን'ዩ። ብ1990፡ ብዙሓት ለውጢ የድሊ'ዩ ይብሉ ነይሮም። ካሮሊን ሪድለር ከም እትብሎ "ቪክቶር ዝጽምበረሉ ደምበ ለውጢ ኣይመረጸን ነይሩ"። ኣብ ምትሓዙ ንዝተሓባበረ 5 ሚልዮን ዶላር ዓስቢ ዝተሰልዓሉ ጥርጡር ኣብዚ ዓመት ድሕሪ ዝተርኣየ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ሳይበር፡ ንሰርሰርቲ ዕላማ ዝገበረ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጥርጡራት ገበን ሳይበር ይእሰሩ ኣለው። ኣብታ ንገለ ካብቶም ዝኸፍኡ ገበነኛታት ሳይበር ከም እተዕቁብ እትክሰስ ሩስያ ግና እቲ ማእሰርቲ ይፍጸም የሎን። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ጆ ቲዲ ናብታ እቶም ክሱሳት ብዘይ ናይ ማእሰርቲ ስክፍታ ከምድላዮም ዝነብሩላ ሩስያ ተንቀሳቒሱ ነይሩ። ሩስያ ብክሕደት ሃገር ዝጠርጠረቶ ወናኒ ትካል ሳይበር ግሩፕ-ኣይቢ ኣሲራ ሩስያ ነቲ ካብ ፍሉጣት ትካላት ድሕነት ሳይበር ሩስያ ዝኾነ ግሩፕ-ኣይቢ ሓላፊ ብክሕደት ሃገር ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ተገሊጹ፡፡ ቤት ፍርዲ ሞስኮ እቲ ወዲ 35 ዓመት ኢልያ ሳችኮቭ ንኽልተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ ዝኣዘዘ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝቐረበሉ ክሲ ግን ዝርዝር መረዳእታ ኣይሃበን፡፡ ኢልያ ሳችኮቭ ግና ዝኾነ ምስጢራዊ መረዳእታ ንትካላት ድሕነት ወጻኢ ኣሕሊፉ ከምዘይሃበ ምግላጹ ምንጭታት ንወኪል ዜና ታስ ገሊጾም። ንሱ ዝመርሖ ትካል ግሩፕ-ኣይቢ ኣብ ምምርማርን ምክልኸልን መጥቃዕቲታት ሳይበር ዝሰርሕ ኮይኑ ከም ኢንተርፖል ዝበሉ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዓማዊሉ እዮም፡፡ እቲ ትካል ብሰሉስ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝተፈተሸ ዝለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ሰንት ፒተርስበርግ ዝርከብ ቤት ጽሐፈቱ እውን ብረቡዕ ከምዝተፈተሸ ወኪል ዜና ኣርኣይኤ ገሊጹ፡፡ ሓላፊ እቲ ትካል ምንም ዓይነት ገበን ከምዘይፈጸመ ዝሕብር መግለጺ እውን ኣውጺኡ ኣሎ፡፡ ክሲ ክሕደት ሃገር ኣብ ሩስያ ብፍሉይ ዝረኣይ ኮይኑ ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ዘፍርድ እዩ፡፡ ሳችኮቭ ኣብ 17 ዓመቱ ምስ ካልኦት ሰባት ብምዃን ግሩፕ-ኣይቢ ዝመስረተ ኮይኑ፡ መጽሄት ፎርብስ ኣብ 2016 ‘‘ትሕቲ 30 ዕድመ ካብ ዝርከቡ 30’’ ፈጠርቲ ስራሕ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ሓደ ገይሩ መሪጽዎ ፡፡ ንሱ ኣብቲ እዋን ገበነኛታት ሳይበር ንምቅላዕ ምስ ባንኪታት፣ ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ሩስያን ኢሮፖልን ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዝነበረ እቲ መጽሄት ገሊጹ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ድማ ንሓደጋታት ስርዓት ኮምፒዩተር ኣብ ምልላይን ምክልኻልን ንዝሰረሖ ስራሕ ካብ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሽልማት ረኺቡ፡፡ ወሃቢ ቃል ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ዲመትሪ ፐስኮቭ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ብዛዕባ እቲ ክሲ ዝርዝር ከምዘይበጸሖ ገለጹ፡፡ ሳችኮቭ፡ ካብቶም ተመራመርቲ፣ ሰብሞያ ድሕነት ሳይበርን ነበር ጋዜጠኛታትን ዝርከቡዎም ኣብ ቀረባ እዋን ብክሕደት ሃገር ተኸሲሶም ዝተኣሰሩ ፍሉጣት ሩስያውያን ሰባት ሓደ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብካልእ ገጽ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ መጥቃዕቲ ሳይበር ፈጺማ ዝብል ክሲ ዝቐርበላ ዘሎ ሩስያ፡ ነቶም ክሲታት ትነጽጎም ፡፡ ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፡ ሓላፊ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ኢትዮጵያ ነበር እንታይ ይብል? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል ኣብ ትግራይ ወርዒ ለኸ ተወሊዱ ብ1972 ዓ/ም ወርሒ መስከረም ናብ ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት ተጸምቢሩ። ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ ናብ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ተመዲቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጸፍሕታት ሓላፍነት ሰሪሑ። ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ጻኒሒት ገይሩ ኣሎ። ቢቢሲ፦ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ብተጋሩ [ህወሓት] ዝተዓብለለ ከም ዝነበረ'ዩ ዝግለጽ'ሞ፡ ሓቃውነቱ ክሳብ ክንደይ እዩ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣነ ኣብቲ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ዋና ዳይሬክተር ሓለዋን ድሕነትን ውሽጢ ሃገር ኮይነ ንነዊሕ እዋን ሰሪሐ እየ። ናይቲ ትካል ዝዓበየ ክፍሊ እውን ንሱ እዩ። ናይ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ሓፈሻዊ ቁጽሪ ስታፍ እንተወሲድና እቲ ዝበዝሕ፡ ብሄር ኣምሓራ እዩ። ቀጺሉ ተወለድቲ ብሄራት ኦሮሞን ትግራይን ተቐራራቢ ቁጽሪ ይሕዙ። ከምኡ እናበለ ድማ ይቕጽል። እዚ ብቐሊሉ ኣብ ሰነድ ዘሎ ሓበሬታ እዩ። ብስሩ'ውን ካብ ቀደም ኣትሒዙ እዚ ኣጀንዳ ተደጋጋሚ ይለዓል ስለ ዝነበረ መርሚርና ኣረጋጊጽናዮ ኢና። ቅድሚኡ እውን [ቅድሚ ስርዓት ኢህወዴግ] ካብኣቶም ይብዝሑ ነይሮም። ድሕሪ ለውጢ'ውን እንተኾነ ብብዝሒ ዝተመልመለ ካብ ብሄረ ኣምሓራ እዩ። ሕዚ እውን እዚ ቁጽሪ ካብቲ ትካል ናይ ሰራሕተኛታት ፋይል ገንጺልካ ክረጋገጽ ዝኽእል ሓበሬታ እዩ። ቢቢሲ፦ እዚ ሓበሬታ ግን ብሚእታዊት ምግላጽ'ዶ ይከኣል? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብትኽኽል ንምግማት ዘጽግመለይ እኳ እንተኾነ ግን ልዕሊ 40 ሚእታዊት ከም ዝነበረ ይዝክር እየ። እታ ልክዕ ዝኾነት ሚእታዊት ክትፈልጣ እንተደሊኻ ግን ካብቲ ትካል ምርግጋጽ ይከኣል እዩ። ቢቢሲ፦ ከምኡ እንድሕር ኮይኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ብተጋሩ ጥራይ ከም ዝተመልአን ብካልኦት ብሄራት ብዓይኒ ጥርጣረ ክረአ ዝኸኣለሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ መረዳእታን ድሕነትን ልምዲ ዝነበሮም ካብ ህወሓት ይበዝሑ ነይሮም። ካብዚ ዝብገስ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ብሓላፍነት ደረጃ ዝመርሑ ዝነበሩ ክሳብ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓ/ም ተጋሩ ይበዝሑ ነይሮም። ኣነ ዝበልኩኻ ኣብቲ ጠቕላላ ቁጽሪ ስታፍ እየ ክገልጸልካ ጸኒሐ። ድሓር ኣብ 2003/04 ግን ክመጣጠን ኣለዎ ተባሂሉ ኣብቲ ናይ ሓለፍቲ ኮታ እውን ናይ ምምጥጣን ስራሕ ተኻይዱ እዩ። እቲ ብዓይኒ ጥርጣረ ይረአ ነይሩ ዝብል ግን ኣይቅበሎን። ምኽንያቱ ህዝቢ ይተሓባበረና ነይሩ እዩ። ኣብቶም መብዛሕቲኦም ሃገር ከዕንዉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ፍጻመታት ኣብ ምፍሻል ህዝቢ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ብምሃብ ይተሓባበረና ከም ዝነበረ ኣርጊጸ ክንግረካ እኽእል እየ። ኢትዮጵያ የጋጥምዋ ዝነበሩ ናይ ድሕነት ተጻብኦታትን ከምኡ እውን እዚኣቶም ኣብ ምፍሻል ተራ ህዝብን መንግሳታዊ ኣካላትን እንታይ ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፈይ ሰኒደዮ ኣለኹ። ናይ ድሕነት ትካል ብደርጊ ግዜ ኣዝዩ ዝፍራሕ እዩ ነይሩ። ድሓረ ግን ፍጹም ዝኾነ ምምሕያሻት ኣለዎ እኳ እንተዘይበልኩ ካብቲ ብደርጊ ዝነበረ ግን ኣዝዩ ዝተመሓየሸን ህዝቢ ፈቲዩ ዝተሓባበሮ ትካል እዩ ነይሩ። ቢቢሲ፦ ቤት ጽሕፈት ድሕነት ብዙሕ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰት ከም ዝፈጸመ እቲ ሕዚ ብኣብይ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሑ ነይሩ። ከም ሓላፊ ነበር፡ ድሕነት ውሽጢ ዓዲ እንታይ ትብል? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፡ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ልምዓት ጽቡቅ ስራሕ ከም ዝወገነ ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ዴምክራስን [እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዚ እዩ ዝካተት] ድማ ዓብይ ጉድለት ከም ዝነበሮን ናይዚ ተሓታቲ ከኣ እቲ ፈጻሚት ስራሕ ናይ ኢህወዴግ ከም ዝኾነ ተገምጊሙ እዩ። ስላዚ ካብዚ ተበጊስካ ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣብያተ ጽሕፈት ከከም ልእኹትኦም ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ነናይ ባዕሎም ተራ ይወስዱ። ብጭቡጥ ግን ዓዲ ንምድሓን ተባሂሉ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ብዓይኒ ሰብኣዊ መሰላት ገለ ጉድለታት ክነብሩ ይኽእሉ'ዮም። ኣነ ብጭቡጥ ዝፈልጦ ግን ህይወት ዜጋታትን ንብረቶሙን ንምሕላው ብዝለዓለ ተወፋይነትን ህልኽን ዝሰርሕ ዝነበረ ትካል ምንባሩ እዩ። ቢቢሲ፦ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን ማዕኸናት ዜና ፌደራል ዘቃልሕኦ ሰናዳዊ ፊልም፡ ኣብ ብልዕቶም ሃይላንድ ማይ ምንጥልጣል፣ ጽፍሪ ምንቃልን ካልኦት ንኽትሰምዖ ዘስካክሕ መግረፍትን በጺሑና ዝበሉ ግዳያት ቀሪቦም ነይሮም። ስለዚ እትመርሕዎ ዝነበርኩም ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተግባራት ኣይፈጸመን ድዩ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ጽቡቕ ሕቶ እዩ። እቲ እትብሎ ዘለኻ ትካል ስርሑ መረዳእታ ምእካብ እዩ። መረዳእታ ኣኪቡ ንዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል የቕርብ። ነቲ ቀዳማይ ሚኒስትር የቕርብ ማለት እዩ። ድሓር እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብመሰረት እቲ ዝረኸቦ መረዳእታ ገይሩ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ኮይኑ ስጉምቲ ክውሰድ ኣብ ዝግብኦ ነገር ይውስን። ኣነ ኣብቲ ትካል ብሓላፍነት ክሳብ ዝነበርኩሉ 2003 ዓ/ም መረዳእታ ብምርመራ ናይ ምርካብ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ፌደራል ፖሊስን ናይ ክልላት ፖሊስን እዩ ነይሩ። ስለዚ ናይ ሃገራዊ ምረዳእታን ድሕነትን ስራሕን ሓላፍነትን ናይ ህዝቢ ዓቕሚ ተጠቒምካ ሓበሬታ ኣኪብካ ንዝምልከቶ ኣካል ምሃብ እዩ ነይሩ። ስርሑን ሓላፍነቱን ብሕጊ ውሱን እዩ። ጉዳይ ምርመራ ናትና ስራሕ ስለዘይነበረ ምስ እዚ ጉዳይ ተዛሚዱ ዝለዓል ሕቶ ንዓይ ግልጺ ኣይኮነን። ቢቢሲ፦ ስለዚ እቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት በየንኡ ናይ መንግስቲ ቤት ዕዮም ተፈጺሞም? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ንሱ ሓበሬታ የብለይን። ቢቢሲ፦ ብገግዕዝይና ተኸሲስካ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣቲኻ ከም ዝነበርካ ዝፍለጥ እዩ። ዝቐረቡልካ ክስታት ትቕበሎም ዶ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብዛዕባ እቲ ናይ ግዕዝይና ጉዳይ ቤት ፍርዲ ኣብ መወዳእታ ዝሃቦ ብይን እንታይ ከም ዝኾነ ካባይ ካብ እተረጋግጾ ካብ ቤት ፍርዲ እንተትስምዖ እዩ ዝምረጽ። ቢቢሲ፦ ብወገንካ ኸ ተቐቢልካዮም'ዶ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ መሰረት ስለ ዘይነበሮም ኣይተቐበልኩዎምን። ቤት ፍርዲ'ውን ኩሎም ውድቂ ገይርዎም እዩ። ክልተ ነገራት ግን ኣይተኸላኸልኩን፤ ብናይ ባዕለይ ምኽንያትን ብዝነበረኒ ናይ ስራሕ ሓላፍነትን ኣይከላኸልን ኢለ ማለት እዩ። ሓደ ንምንታይ ኣብ ገዛኻ ከላሽንን ሽጉጥን ሒዝካ ተረኺብካ ንዝብል ክሲ ክከላኸል ሞራለይ ስለ ዘይፍቀደለይ ርዱእ ስለ ዝኾነ ኣይተኸላኸልኩን። ካልኣይ፡ ብዛዕባ [ብዘይ ኣግባብ] ናይ ትራንስፖርት ኣገልግሎት ረኺባ ዝተብሃለት ጓልኣነስተይቲ፡ ኣመልኪቱ ዝቐረበለይ ክሲ እውን ብስራሕ ምኽንያት ከም ዝኾነ ርዱእ ስለ ዝነበረ ኣይከላኸልን ኢለ። ብኽልቲኡ እየ ተቐጺዐ። ካልእ ግን መጽሓፉ ኣሐቲሙ ክሸይጥ እንከሎ ስልጣኑ ተጠቒሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምንጩ ብዘይፍለጥ ገዛ ሰሪሑን ንዝብሉ ግን ኣገደስቲ መረዳእታት ኣቕሪበ ቤት ፍርዲ ናጻ ኢሉኒ እዩ። ቢቢሲ፦ ግን እኮ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትኣቱ እንከለኻ ካብቲ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነት ወጻኢ ኢኻ ነይርካ እሞ ብኸመይ ኢኻ ክከላኸል ዘይከኣልኩሉ ምኽንያት ምስ ስርሐይ ተዛሚዱ ስለ ዝኾነ ፍሉጥ እዩ ነይሩ ክትብል ዝኸኣልካ? ኣቶ ወልደስላሴ ወልደሚካኤል፦ እታ ናይ ብረትን ሽጉጥን ጉዳይ ዲኻ? ቢቢሲ፦ እወ ኣቶ ወልደስላሴ ወልደሚካኤል፦ ንምንታይ ብረትን ሽጉጥን ከምኡ እውን መኪና ከም ዘዋፈርኩ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪበ ከብራህርህ ናይ ስራሕ ዲስፒሊን ኣይፈቅደለይን ነይሩ። ቢቢሲ፦ ግን እኮ ክትእሰር እንከለኻ ስቪል ኢኻ ነይርካ ዋና ዳይሬክተር ቦርድ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኢኻ ነይርካ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ንሱ [ናይ ማሕበር ልምዓት ትግራይ] ብተደራብነት እየ ዝሰርሖ ነይረ። ቅድሚ ምእሳረይ ክልተ ወርሒ ካብ ስራሕኻ ተላዒልካ ተባሂለ ካልእ ምድብ ክወሃበኒ እናተጸበኹ እንከለኹ እዩ እቲ ኩነታት ኣጋጢሙ። ቢቢሲ፦ ሓላፊ ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ከም መጠን ናይ ቀረባ ሓለቓኻ ዝነበረ ሰብ ብባህሪ ይኹን ብስራሕ ከመይ ኢኻ እትገልጾ? ዝነበረኩም ናይ ስራሕ ርክብ ከ እንታይ ይመስል ነይሩ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣብዚ እዋን እዚ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ዝነበሮ ሓላፍነት ይፍለጥ እዩ። ናይቲ ስራሕ ባህሪ ይፍለጥ እዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ዝነበሮ ሰብ ብሚድያ ክግምገም ግቡእ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ካልኣይ ኣብቲ ናተይ ርእይቶ ካሊእ ርእይቶ ክወሃበሉ ኣብ ዘይኽእለሉ ሃዋህው እሞ ድማ ኣብዚ እዋን እዚ ግቡእ እዩ ኢለ ኣይኣምንን። ቢቢሲ፦ ሕዚ ኣበይን እንታይን ኢኻ እትሰርሕ ዘለኻ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባን ዩኒቨርስቲ ስቪል ሰርቪስን ጎና ጎኒ ስርሐይ እምህር ነይረ እየ። ናይ ምምሃር ድልየት ነይሩኒ እዩ። ሕዚ ድማ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም መምሃራን ንምቑጽጻር ብዘውጽኦ ናይ ስራሕ ምልክታ ተወዳዲረ በቶም መምዘንታት በቒዐ ስለ ዝተረኸብኩ ሓሊፈ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካል ሳይንስ እምህር ኣለኹ። ናይ ትምህርቲ ድሕረ ባይታይ እውን ብሰላምን ጸጥታን ከምኡ እውን ዓለም ለኻዊ ርክባትን ክልተ ማስተርስ ዲግሪ ኣለኒ። ዝምህሮም ኮርስታት እውን ምስ እዚኦም ዝተዛመዱ እዮም። ቢቢሲ፦ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሕኻ ናብ ትግራይ ምስ ከድካ ሰባት ናይ ማእከላይ መንግስቲ 'ሰላሊ' ኮይኑ እዩ ተላኢኹ ዝብል ዘይጠለለ ወረታት ነይሩ እሞ ሓቂ ድዩ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እዚ እኳ ድኻም እዩ፡ ወረ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ኮነ ተባሂሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ድንቁርና ዘበገሶ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ወረ እዩ ኢልና ወሲድና ኣብዚ ግዜና እንተዘይንጥፍእ እዩ ዝምረጽ። ቢቢሲ፦ ከም መጠን ነባር መሪሕነት ሃገራዊ መረዳእታን ድሕነትን እቲ ሕዚ ዘሎ መሪሕነት ናይቲ ትካል ብኸመይ ኢኻ እትግምግሞ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ሓቂ ንምዝራብ ሓበሬታ የብለይን። እንታይ ፈተናታት'ዩ ዝገጥሞም ዘሎ? ነቲ ፈተናታት ከመይ ኣቐዲሞም ይፈልጥዎ ኣለዉ? ብዝነኣሰ ዋጋ ብኸመይ ይኣልይዎ ኣለዉ? ዝብሉ መረዳእታት ስለዘይብለይ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ቅሩብ የጸገምለይ እዩ። ቢቢሲ፦ መጻኢ ፖለቲካዊ ኩነታት ዘይተገማታይን ዝተሓዋወሰን ከም ዝኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ ክዛረቡ ይስምዑ'ዮም እሞ ንስኻ ከም መጠን ናይ ሕዚ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ናትካ ርእይቶ ኣብዚ እንታይ'ዩ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ከም ናተይ እምነት ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ predictable [ተገማታይ] እዩ። ተጋግየ ክኸውን ይኽእል እየ ግን ብዝነበረኒ ናይ ስራሕ ኣጋጣምታት እዚ ዓዲ እፈልጦ እየ ኢለ እየ ዝኣምን። ድሕሪ 1983 ዓ/ም ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ መልክዑ ተቐይሩ እዩ። ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ባዕሎም ንባዕሎም ከማሓድሩ ጀሚሮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ሃብቲ ከማሓድሩ፣ ፖለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ክልሎም ባዕሎም ክኣልዩ ጀሚሮም። በዚ ድማ ኣብ ታሪኾም ርእዮምዎ ዘይፈልጡ ረብሓታት ረኺቦም። ዝተወሰኑ ሊሂቃን ካብ ናይ ባዕሎም ብሄራዊ ዛዕባ ሓሊፎም ብዛዕባ ካልኦት ዘውግዑ እንተዘይኮይኑ እቲ ዝበዝሕ ግን ናብ ውሽጣዊ ብሄራዊ ዛዕባታቱ ክጥምት ክኢሉ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓደ ብሄር ኣብ ላዕሊ ካሊእ ብሄር ክተለዓዕሎ ኣይትኽእልን። ስለዚ ኣብዚ መሰረታዊ ለውጢ ኣሎ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ንኣብነት ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ "ብታሪኽ ተበዲልና ኢና፣ ብብሄርተኛታት ደቅና ክንመሓደር ኢና እንደሊ፣ ካብ ናይ ተፈጥሮ ሃብትና ተጠቐምቲ ኣይኮናን፣ ቋንቋና ክንድቲ ዝድለ ኣይማዕበለን" ዝብሉ ፍትሓዊ ሕቶታት እዩ ዘልዕል ዘሎ እምበር ዛዕባ ትግራይን ኣምሓራን ዋኒኖም ኣይኮነን። ናይ ህዝቢ ኣምሓራ እንተሪኢና እውን እቲ ህዝቢ ሕትኡ ሕቶ ልምዓት፣ ፍትሕን ዴሞክራስን እዩ። ብስራሕ ጉዳይ ተንቀሳቒሰ ስለ ዝፈልጦ እየ ዝነግረካ ዘለኹ። ናይ ህዝቢ ትግራይ ሕቶ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዘሎ ሕገ ምንግስታውን ፌደራላዊ ስርዓትን ክዓሙቕ እንተዘይኮይኑ ነዚ ክትቅይሮ ኣይትኽእልን። ስለዚ መጻኢ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተገማታይ እዩ በሃላይ እየ። ቢቢሲ፦ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ትግራይ ሚዛን እናደፍአ ዝመጽእ ዘሎ ክቱር ብሄራዊ ስምዒት በቲ ካልእ ገጽ ድማ ኣሃዳዊት ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ባህጊ ዘለዎም ሓይልታት ዝፈሓፍሕሉ ኩነታት እውን ኣሎ እሞ ኢትዮጵያ ናይ ዩጎዝላቭያ ጽሕፍቶ ከይገጥማ ስግኣታት ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ምስ ናትካ ሓሳብ ኣይጋጨውን ዶ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እቲ ሕዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ናብቲ ናይ ድሕረ 1983 ዓ/ም ዝነበረ ፖለቲካዊ ባይታ ክመልስዎ ኣይኽእሉን። ካብ ሕዚ ንደሓር ዝኾነ ብሄር ዋላ እውን እቲ ዝሽቀጠሉ ብሄረ ኣምሓራ ናብ ኣሃዳዊ ስርዓት ክመልስዎ ኣይኽእሉን። ምስ ናይ ኣምሓራ ፖለቲካ ተዛሚዱ ዝለዓል ሓደ ቅቡል ተገይሩ ክውሰድ ዝግብኦ ሕቶ ኣሎ። ብሚልዮን ዝቑጸሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ካብ ክልል ኣምሓራ ወጻኢ ይነብሩ። እዚ ህዝቢ እዚ መሰሉ ተሓልዩ ዝነበርሉ ሃዋህው ክፍጠረሉ ኣለዎ። እዚ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ህዝቢ ኣምሓራ እዩ። ብዝኸድናዮ ንውቃዕ ኣለና። ስግኣት ኣለና እዩ ዝብል ዘሎ። ኣብዚ ኣብ ኣተገባብራ ጸገም ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ኦሮሞ እውን ሕቶታቱ ንጹራት እየን ሕቶታቱ እሞ ይመለሰሉ ብድሕሪኡ ጸቢብነት ኣሎ ዶ የለን ክንርእዮ። ህዝቢ ትግራይ'ውን እንተኾነ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ሓድነት ዝኣምንን ነዚ ስርዓት ንምምጻእ እውን ረዚን ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ እምበር ጸቢብ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ መንነቱ ንዝመጽኦ ሓይሊ ግን ዘይጻወር እንተይኮነስ ግቡእ ምላሽ ዝህብ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ጸቢብነት ንህዝቢ ትግራይ ኣይገልጾን በሃላይ እየ። ቢቢሲ፦ ህወሓት ቅድሚ ሕዚ ጸቢብነት ዝብል ከም ሓደ መገምገሚ ነጥቢ ትጥቀመሉ ነይራ እያ። ብሄርተኛታት ተጋሩ፡ "ኢትዮጵያ ኣጋፊዓትና እያ፡ ትብደለና ኣላ፡ ስለዚ ሃገር ክንምስርት እዩ ዘለና" ብዝብል ካብቶም ናታትኩም ነባራት ተጋደልቲ ህወሓት ዝተፈለየ ኣተሓሳስባ'ዮም ዘሰጉሙ ዘለዉ። እሞ እዚ ምባሎም ጸበብቲ'ዶ የብሎም? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እዚ ሕቶ እማ ሕገ መንግስታዊ መሰል እዩ እምበር ጸቢብነት ኣይኮነን። 'ነዛ ሃገር ንምቛም ብዙሕ ዋጋ ከፊልና እናሃለና ፍረጻማና ኣይረኸብናን ስለዚ ነብስና ክንክእል ኣለና' ዝብሉ ሰባት ከምዘለዉ እኮ ይፈልጥ'የ። እዚ ድማ ጸቢብነት ኣየብልን። ግን እዚ ንዓይ ኣብ 'ዲስኮርስ' ዘሎ ነገር እዩ ኢለ እየ ዝወስድ። ኢትዮጵያ ብትን ከይትብል ሒዝዋ ዘሎ እቲ ህዝቢ እዩ። ርግጽ እዩ ብሰንኪ እቲ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵኣ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣብ ልምዓት ዕንቅፋት ፈጢሩ ኣሎ። ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብውሽጣውን ግዳማውን ሓይልታት ኣብ ፈተና ይኣቱ ኣሎ። ስዒሩ ከምዝወጽእ ግን ጥርጥር የብለይን። ኣብዚ ግን እንታይ የድሊ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብዝነኣሰ ዋጋ ክሕለፍ ኢትዮጵያውያን ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም። ቢቢሲ፦ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ኣብ ክብረ በዓል ለካቲት 11 ንህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ጸገማት ንኽፍታሕ ጻዕሪ ግበሩ እንተዘይኮይኑ ግን 'ትግራይ ሃገር እያ' ኢልኩም ኣውጁ" ምስበለ ካብ ህዝቢ ናይ ይደገም ድምጺ ተጋዊሑ ክደግሞ ተገዲዱ ነይሩ። እዚ ንዓኻ ዝህበካ ፖለቲካዊ ትርጉም እንታይ'ዩ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደሙ ብህወሓት እናተመርሐ ኣብ ማዕርነት ዝተመሰረት ስርዓት መስሪትና ክንነብር ኢና እንደሊ ነዚ ድማ ክንቃለስ ኢና፡ እንተዘይኮይኑ ግና ብሰላም ተፈላሊና በበይንትና ተኸባቢርና ንነብር ዝብል ቅዋም እዩ ነይርዎ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ዝብል ዘሎ ተኸባቢርና ንንበር እዩ። ናይ ማእኸላይ መንግስቲ ትካላት ብማዕረ ዓይኒ ይረኣያናን ናይ ደገ ሓይልታት ኢድ ኣታውነት ደው ይበል እዩ ዝብል ዘሎ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘነጻጸሩ ሓሰባት ካብ ናይ ደገ ሓይልታት ይወሃቡ ስለዘለዉ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ስለዝኾነት ዝምልከቶም ናይ ፌደራል መንግስቲ ትካላት ግቡእ ግብረ መልሲ ክህቡ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ እዩ። ቢቢሲ፦ እቶም ሓይልታት እኒ መን'ዮም? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ንኣብነት ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ናይታ ሃገር መራኸብቲ ሓፋሻት ኣብ ዘካየደ ቃለ መሕትት እቲ ዝበዝሕ ዝተዛረቦ ብዛዕባ ትግራይ እዩ። ኣሽንኳይ'ዶ ብዛዕባ ሓንቲ ክልልስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዛረብ ልእኹቶ የብሉን። እዚ ኣብ ልዕሊ ካሊእ ሃገር ኢድካ ምእታው እዩ። ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ማእኸላይ መንግስቲ ሽዑ ንሽኡ ግቡእ ምላሽ ክህበሉ ምተገብአ ነይሩ። ሽዑ ንሽዑ ምላሽ ዘይምሃቡ ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ክህቦ ዝግባእ ኣገልግሎት ኣይሃበን ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ሕቶ ምላሽ ሃቡሉ ዘይትህቡ እንተኾይኑኩም ሓዲኡ ኣፍልጡና እዩ እዚ ድማ ልክዕ እዩ። እዚ ማለት ግን ክንንጸል ኢና ማለት ኣይኮነን። ግን ድማ ናይ ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ነገር እንተዘይገይሩ ድማ ናትና ህልውና ይጠፍእ እዩ ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ከጋጥምዎ ንዝኽእሉ ግዳማውያን ሓይልታት ናይ ምምካት ሓላፍነት ኣለዎ፡ እኹል ዓቕሚ ኣለዎ'ውን ኢለ እየ ዝኣምን። ስለዚ እቲ መንእሰይ ንናይ ዶክተር ደብረጽዮን ዘጣቐዐሉ ልክዕ ሓሳብ ስለዝኾነ እዩ። ቢቢሲ፦ ኣብ ቀረባ እዋን ህወሓት ኣፍልጦ ሂባትካ ነይራ እሞ ሎሚ'ውን ኣባል ህወሓት ኢኻ መላት ድዩ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ እቲ ኣፍልጦ ንዓይ ጥራይ እንተይኮነስ ንብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ'ውን ዝተውሃበ እዩ። ኣነ ብህይወት ክሳብ ዘለኹ ህወሓት እየ። ህወሓት [ዳይናሚክ] ገስጋሳይ ክኸውን እየ ዝደልዮ። ድማ ገስጋሳይ ውድብ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። [ዳይናሚክ] ክኸውን ዝገበሮ ግን ናይ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ንቕሓት እዩ። ገለ ሰባት ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ኣይኮኑን ክብሉ እሰምዕ እየ። ንዓይ ግን ሓደ እዮም። ቢቢሲ፦ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብዙሓት ውድባት ፖለቲካ ኣለዋ። ስለዚ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ እዮም ምባል ብፖለቲካዊ ስነ ሞገት ከመይ ኣቢሉ ርትዓውነት ይህልዎ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ብዓይኒ ፖለቲካዊ መነጸር እንተሪኢናዮ ሓቂ እዩ። ህወሓት ሕጋዊ ሰብነት ዘለዎ ፖለቲካው ውድብ እዩ። እንተኾነ ግን እተን ናይ ህወሓት ፖለቲካዊ፣ ማሕበረ ቁጠባውን መደባት ህዝቢ ትግራይ ናሃቱ ገይርወን እዩ። እዚ ብመጽናዕቲ እውን ክተረጋግጾ ትኽእል ኢኻ። ፖለቲካዊ እምነት ህዝቢ ትግራይ እንተሓቲትካዮ እተን ናይ ህወሓት መደባት እኳድኣስ ኣዕሙቑ እዩ ዝገልጸልካ። ነዚ ዝቃወምዎ ሰባት የለውን ማለት ግን ኣይኮነን። ቢቢሲ፦ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ እዮም ምባል ነቶም ካብ ህወሓት ዝሓሸ ፖለቲካዊ ስትራቴጂታት ሓንጺጽና መጺኢና ኣለና ኢሎም ኣብ ትግራይ ንዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ምዕፋን ዶ ኣይኮነን እዩ? ብስሩ'ኸ ከምኡ ዝበላ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ድዩ ኮይኑ? ብስሩ'ኸ ከምኡ ዝበላ ሓሳብ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ድዩ ኮይኑ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣብ ትግራይ ኩሉ ዓይነት ሓሳብን ማሕበራትን ብናጻ ክንቀሳቐሱ ኣለዎም። ዝተፈለየ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘለዎም ሰባት ብናጽነት ክውደቡ ኣለዎም። ዋላ ሓንቲ ገደብ ተጽዕኖን ክግበረሎም የብሉን። እዚኣቶም መሰረታዊ ናይ ዴሞክራሲ ባእታት ስለዝኾኑ ክስመረሉ ኣለዎ። ኣነ ዝብል ዘለኹ እቶም ህወሓት ዝምራሓሎም ዘሎ መደባት ብእቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ ተቐባልነት ኣለዎም ጥራይ እንተይኮነስ ዝሰረጹ'ዮም ኢለ እየ ዝኣምን። ነዚ እዩ ድማ ህወሓት ዓንቀፍቀፍ ክገጥማ እንተሎ ዋላ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚርካ እቲ ህዝቢ ብድድ ኢሉ እዩ ዘድሕና። እዚ ማለት ግን ካልኦት ውድባትን ኣተሓሳስባን ክመጽእ የብሉን ዝብል ርእይቶ የብለይን። እኳድኣስ ካሊእ ኣማራጺ ትመጽእ እንተሎ እዩ ህወሓት ገስጋሲት ክትከውን እትኽእል ኢለ እየ ዝኣምን። ቢቢሲ፦ ኣቶ ወልደስላሰ መምህር ኮይኑ ድዩ ክቕጽል ወይስ ናብ ፖለቲካ ክኣቱ እዩ? ኣቶ ወልደስላሰ ወልደሚካኤል፦ ኣይፈለጥን። ግን ምምሃር ብጣዕሚ እየ ዝፎቱ። ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ክትርዳእ እንተኾይንካ ካብ ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ኮይንካ ኣብ ናይ ኣካዳሚክ ቦታ ኮይንካ መጽናዕቲ እናካየድካ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ተሞክሮ እናካፈልካ ባዕሉ ዓዱ ከማሓድር ኣብ ምግባር ዝነጥፍ እዩ ዝመስለኒ። ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ሓደ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ብዕጡቓት ተቐቲሉ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ መንጎ ግጨውን ጎቤን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ብዘውረድዎ መጥቃዕቲ ሓደ ከምዝሞተን ኣርባዕተ ከምዝቖሰሉን ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ትግራይ ንቢቢሲ ገሊፁ። እቶም መንነቶም ዘይተፈለጡ መጥቃዕቲ ዘውረዱ ዕጡቓት: ኣብ ውሽጢ ግራት መሸላ ኣድብዮም ጸኒሖም : ኣብ ልዕሊ መኪና ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ጠያይቲ ብምትኳስ ከምዘጥቅዕዎም ሓበሬታ ምምሕዳር ዞባ ምዕራብ ይገልፅ። ልእኽቶ ዝሓዙ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ በቲ ከባቢ ወትሩ ከምዝሓልፉን ሎሚ መዓልቲ ረፋድ እውን ብተመሳሳሊ ወተሃደራዊ ዋኒን ሒዞም ይጓዓዙ ምንባሮም እዩ ተሓቢሩ። እቶም መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ መንነቶም ዘይተነጸረ ዕጡቓት ናብ ክልል ኣምሓራ ከምዝሰገሩ'ውን ተገሊጹ። መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ነቶም ዘምለጡ ዕጡቓት ኣሕሊፉ ንኽህብ ዝርርብ ተጀሚሩ ምህላዉ ካብ ኮምሽን ፖሊስ ትግራይ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር። ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈፀመ ምፍንጃር ነታጒ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ኣብ ቡርኪናፎሶ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 35 ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ። እቲ መጥቃዕቲ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢ ይጓዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ቃፍላይ ከምዝተፈፀመ ሰብመዚ ገሊፆም። በቲ ንከተማታት ጅቦን ቡርዛንጋን ኣብ ዘራኽብ መስመር ጽርጊያ ዝተፈፀመ ምፍንጃር ነታጕ ካልኦት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝቖሰሉ'ውን ተሓቢሩ። ብሰራዊት እታ ሃገር ዝተዓጀበ ቃፍላይ፡ ናብተን ብሚሊሻታት ዝተቖረፃ ከተማታት ቀረባት ንምብፃሕ እየን ዘገልግላ። ኣብ ቡርኪናፋሶ ፀገማት ፀጥታ ክነውሕስ ኢና ብዝብሉ ወታሃደራት ዝምራሕ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ’ኳ እንተተኻየደ፡ ህይወት ሰባት ዝቐዝፉ መጥቃዕትታት ግና ይውስኹ ኣለው። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት፡ ኣብ ቁሸታት፣ ኣብ ልዕሊ ፖሊስን ወተሃደራዊ ቦታታትን መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ፀኒሖም እዮም። ካብ መንጎ እተን ኣብቲ ቃፍላይ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ሓንቲ፡ ተቐቢሩ ንዝነበረ ተፈንጃሪ ከምዝረገጸት ምምሕዳር እቲ ከባቢ ገሊጹ። ዛጊት ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን። ሓደ ነባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ግዳያት ካብ ዋና ከተማ ኦጋዶጉ ኣቑሑት ንምዕዳግ ይጓዓዙ ዝነበሩ ነጋዶን ናብታ ከተማ ይምለሱ ዝነበሩ ተምሃሮን ከምዝኾኑ ገሊፁ። መንግስቲ እታ ሃገር በቶም ሚሊሻታት ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ንምክልኻል፡ እቲ ሰራዊት “መጥቃዕቲ” ኣሐዪሉ ከምዝቐፀለን፡ ምስ ገለ ዕጡቓት ጉጅለታት’ውን ልዝብ ከምዝጀመረን ገሊፁ። እዚ ስትራተጂ፡ ብዙሓት መናእሰይ ዕጥቆም ክፈትሑን ናብ ማሕበረሰቦም ክምለሱን ከምዝሓገዘ እዩ መንግስቲ ዝምጕት። ወተሃደራዊ መራሒ ሌተናል ኮሎኔል ፖል-ሄንሪ ዳሚባ፡ ፀገማት ፀጥታ እቲ ዞባ ብሓባር ብኸመይ ምፍታሕ ከም ዝከኣል ንምዝታይ ምስ መራሒ ማሊ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ፡ እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ዘሎ። ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ሮች ካቦረ፡ መንግስቲ ነዚ ብእስላማውያን ዕጡቓት ዝፍፀም መጥቃዕቲ "ክምክቶ ብዘይምኽኣሉ" ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ብወተሃደራት እታ ሃገር ካብ መዝነቱ ከም ዝተዓለወ ይዝከር። ሌተናል ኮለኔል ዳሚባ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ከም ፕረዝደንት ቃለ-መሓላ ኣብ ዝፈፀመሉ እዋን፡ “ነዚ ኵናት እዚ ንምስዓር ልዕሊ እቲ ዝጥለብ ነገር ኣለና” ኢሉ ነይሩ። እንተኾነ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ይፍፀሙ ብዘለዉ መጥቃዕትታት፡ ዜጋታት እታ ሃገር ውሑሳት ኣይኰኑን። ሓደ ጉጅለ ትካላት ረድኤት ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣስታት ዓሰርተ ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ፡ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ጐንፂ ካብ መረበቱ ከምዝተመዛበለ ሓቢሩ። እቲ ሓበሬታ ወሲኹ፡ ኣብ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ካብቲ ኣብ መላእ 2011 ካብ ዝሃደሙ፡ ብዕጽፊ ዝበዝሑ ሰባት ከምእተመዛበሉ ኣረዲኡ። ኵናት ትግራይ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ብኸመይ እዩ ክፍፀም? ኵናት ትግራይ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ብኸመይ እዩ ክፍፀም? መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ዕልባት ንኽረክብ፡ ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦ ክግበርን ንሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕን ተሰማሚዖም ኣለዉ። እቲ ትማሊ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተገበረ ታሪኻዊ ስምምዕ፡ እቲ ደማዊ ኵናት ንምቁራፅ: ብመንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ንምምላስ: ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕን: ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያን ሕገ-መንግስትን ንምኽባርን ዝዓለመ እዩ። ንዓሰርተ መዓልቲ ዝቐፀለን ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝቐነየ ድርድር እንትዛዘም፡ ክልቲኦም ተፃባእቲ ወገናት ዝተሰማምዕሎም 12 ነጥብታት ዝሓዘ በዓል ክልተ ገፅ ስምምዕ ብሓባር ወግዓዊ ገይሮም። ነዚ ስዒቡ፡ ዝርዝር ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕን ካብ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ትፅቢት ዝግበሩ ግቡኣት ብዝርዝር ዘብርህ በዓል 10 ገፅ ሰነድ ተዘርጊሑ። ኣሶሺየትድ ፕረስ ነቲ ዘተ ሰላም ቅርበት ዘለዎም ሰብመዚ ፀሪሑ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝፀብፀቦ፡ ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ንዝርዝር ጉዳያት ዝሓዘ ሰነድ ብክልቲኦም ወገናት ዝተፈረመ ከም ዝኾነ ፀብፂቡ። ኣብቲ ስምምዕ ሓይልታት ትግራይ፡ “ካብ ቀሊል መሳርሒ ኵናት” ጀሚሩ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልትታት ዕጥቆም ክፈትሑ ተገሊፁ ኣሎ። ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ፌደራል፡ “ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ኩሎም ትካላት ፌደራል: መዕርፎ ነፈርትን ቀንዲ ጎደናታትን ሓዊሱ፡ ንቀንዲ መሰረተ ልምዓታት” ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝቖፃፀሩ ተገሊፁ። ህወሓት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ንዝተጣየሹ ትካላት ፌደራልን ንብረት መንግስቲ ፌደራልን ኣኽቢራ ንምንቅስቓስ ዝተሰማምዐት እንትኾን፡ ዓለምለኸ ዶብ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ድማ ናይ መንግስቲ ፌደራል ይኸውን። ህወሓት፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል እታ ሃገር ተዓጢቖም ንዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ካብ ምድጋፍ ኰነ ሓቢርካ ምስራሕን ክትቑጠብ ተሰማሚዓ። መንግስቲ ፌደራል፡ ሰራዊት ምክልኻል፡ ኣካላት ደሕንነትን ኣኽበርቲ ሕግን ሕገ-መንግስታዊ ግቡኦም ክፍፅሙ ምስ ዘዋፍር፡ ህወሓት ነዚ ኣኽቢራ ክትንቀሳቐስ ተሰማሚዓ። ብመሰረት እዚ ዝተገበረ ስምምዕ፡ ህወሓት ንጐንፅን ዓመፅን ዝግበሩ ምልመላታት፡ ስልጠናታት ወይ ካልኦት ምድላዋት ካብ ምግባር ክትዕቀብ እያ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ህወሓት ብዘይካ ኣፍልጦ መንግስቲ ፌደራል፡ ምስ ዝኾነ ይኹን ወፃኢ ኣካል ርክብ ምግባር ደው ክተብል፡ እቲ ስምምዕ ይቕይድ። ብመሰረት እዚ ዝተገበረ ስምምዕ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝገብሮ ውግእ ደው ከብል እዩ። ብመሰረት እቲ ዝተቐመጠ ግዘ ገደብ፡ ኣብ ትግራይ ዘቋረፆም ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክመልስ፡ እቲ ስምምዕ የገድድ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝርዝር ግብረ-ራዕዳውያን ክትምዝገብ ዝተገበረ ውሳነ ንክስረዝ ኩነታት ክፈጥር ይግደድ። ኣብ ትግራይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብቅልጡፍ ከጀምርን ተግባራውነቱ ከረጋግፅን ትፅቢት ይግበር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ በቲ ኵናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊሱ ክሃንፅ ተሰማሚዑ'ሎ። ብሰንኪ እቲ ኵናት ንዝተጎድአ ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ንክበፅሕን፡ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምህላዉን የረጋግፅ። ምስ ጎረቤት ሃገር ዘዳውቡ ዶባት ደሕንነትን ሰላምን ንምውሓስ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወፍሪ ከካይድ እዩ። ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባብታት ትግራይ ተንቀሳቒሱ ሕጊ ናይ ምኽባር ስልጣኑ ይርከብ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ፌደራልን ካልኦት መሓውር ፀጥታን፡ ንክሊ ኣየር እታ ሃገር፡ ደሕንነት ኣቬሽን፡ ትካላት ፌደራል፡ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲን ቀንዲ መገድታትን ክሕሉ እዩ። ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ምፍታሕ ቀንዲ ኣካል እቲ ስምምዕ እዩ። ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ድማ፡ ኣብታ ሃገር ሓደ ሰራዊት ምክልኻል ጥራሕ ከምዘሎ ተሰማሚዖም’ዮም። ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ንሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ንምፍታሕ፡ ንምብታንን ናብ ህዝቢ ንምፅንባርን ዘኽእል ትልሚ ተዳልዩ፡ ተግባራዊ ዝኾነሉ ዝርዝር ክዳለው እዩ። እዚ ስምምዕ ካብ ዝተፈረመሉ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ተራኺቦም ይዘራረቡ። ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ዝፈትሕሉ ከይዲ ብዝርዝር የውፅኡ። ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዝግበር ስምምዕ መሰረት፡ ህወሓት ከበድቲ ኣጽዋር ኵናት ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንምርካብ ተሰማሚዖም። ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተዘራሪቦም ምስ ተሰማምዑ ኣብ ዘለዉ ዓሰርተ መዓልታት፡ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ከይዲ ይዛዘም። እቲ ዝተቐመጠ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ግዘ ገደብ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብዝህብዎ ሓሳብን ብናይ ክልቲኦም ወገናት ኣፅዳቕነትን ክናዋሕ ይኽእል። ድሕሪ እዚ ስምምዕ እዚ ኣብ ዘለዉ 30 መዓልታት፡ ንቀለልቲ መሳርሒ ኵናት ሓዊሱ እቲ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ይዛዘም። ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ናይ ምስንባትን ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምፅንባርን ስራሕ ድማ፡ ሕግን ድሌትን ትግራይ መሰረት ዝገበረ ይኸውን። እዚ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ደማዊ ኵናት ንምግታእ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ “ብቀዋምነት ድምፂ ብረት ከይስማዕ” ብምስምማዕ፡ እቲ ኵናት ብቀዋምነት ደው ክብል ዘኽእል ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦታት ክግበር ተሰማሚዖም። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ንምፍታሕ፡ ኣብ ትግራይ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክሰፍንን ደሕንነት ሰላማውያን ዜጋታት ምውሓስን፡ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተሰማምዐሉ ጉዳይ’ዩ። ኲናት ዩክረይን: ናይ መወዳእታ ሰዓታት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓንቲ ፍልጥቲ መርከብ ውግእ ሩስያ ብዝወረዳ ዕንወት ኣብ ጸሊም ባሕሪ ('ብላክ ሲ') ምጥሓላ ይዝከር። እታ ምዕቡል ሚሳይላት ዝዓጠቐት ሞስክቫ ብባርዕ ተሰንያ እናጠሓለት ዘርኢ ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእልታት፡ ድሕሪ መዓልታት ኣብ መርበባት ኢንተርነት ክርአ ጀሚሩ'ሎ። ኣብቲ እሙን ስእልታትን ቪድዮታትን እትርአ መርከብ፡ ምስ ቅርጺን ዲዛይንን ናይታ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትውንጭፍ እትኽእል ሞስክቫ ዝመሳሰል እዩ። ሩስያ ከም ዝበለቶ፡ ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ መራኽብ ውግእ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ዝኮነት ሞስክቫ፡ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣጋጠማ፡ ምስኣ ዝነበረ ተተኮስቲ ምፍንጃሩ'ዩ። ሰብ መዚ ሩስያ፡ እታ መርከብ ድሕሪ'ቲ ዘጋጠማ ኩነታት፡ ድማ ናብ ውሑስ ወደብ ተሳሒባ እናኸደት ብሰንኪ ሓያል ማዕበል ክትጥሕል ኪኢላ ይብሉ። ዩክረይን ግን ብሚሳይላት ሃሪማ ከም ዘጥሓለታ'ያ ትምጉት። እቲ ተረኺቡ ዘሎ ስእላዊ ጭብጥታት ግን፡ ንናይ ክልቲኦም ወገናት ሓበሬታ ብቐሊሉ ዘረጋግጽ ኣይኮነን- ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን ዝርአ ሓያል ማዕበል ኣይነበረን። እቲ ስእልታትን ቪድዮታትን እንታይ'ዩ ዘርኢ? እቲ ስእልታት ብ14 ሚያዝያ ከም ዝተሳእለ ዝሕብር ኮይኑ፡ ዩክረይን ነታ መርከብ ከም ዝሃረመታ ድሕሪ ምግላጻ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ማለት'ዩ። እቲ ብሓንቲ ናይ ሂወት ኣድሕን ጃልባ ተቐዲሑ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተገልጸ ናይ ሰለስተ ካልኢት ቪድዮ ድማ፡ ሞስክቫ ንጸጋም ክትዛዙ የርኢ። ኣብ የማናይ ጎና ድማ፡ ሓንቲ ሻክተር ዝዓይነታ ናይ ሩስያ ጎታቲት ጃልባ ትርአ። ኣብቲ ቪድዮ፡ ካብታ መርከብ ትኪ ክወጽእን፡ ገለ ክፋላ (ፍሪ-ቦርድ) ከቢድ ዕንወት ወሪድዎን ተቐዲሓ'ላ። ኣብ ካልእ ክፋል ኣካላታ ዝርአ ነዃላት ድማ፡ ብዙሕ ማይ ኣትዩዋ ከም ዘሎ ዘመልክት'ዩ። ብዘይካ'ዚ ምስታ መርከብ ዝነበራ ናይ ሂወት ኣድሕን ጃላቡ ተዳልየን ይርኣያ። ጠንቂ ምጥሓላ ዝገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣሎ'ዶ? ዩክረይን፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ሓይልታታ ነፕቱን ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሓድሽ ሚሳይላታ ነታ መርከብ ከም ዝሃረመታ ትገልጽ። ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ሰበስልጣን ኣመሪካ ድማ፡ ናይ ዩክረይን ሓበሬታ ከምዝኣምኑ ንማዕከናት ዜና ኣመሪካ ተዛሪቦም ነይሮም። ሩስያ ግን፡ ኣብታ መርከብ ብዝተፈጥረ ነትጒ ከምዝዓነወትን ብሰንኪ "ሓያል ማዕበል ባሕሪ" ከምዝጠሓለትን'ያ ትዛረብ። ቢቢሲ ነቲ ስእልታት ናብ ሰለስተ ኪኢላታት ሓይሊ ባሕሪ ድሕሪ ምቕራቡ፡ እቲ ዝወረዳ ዕንወት ምስ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ዝመሳሰል ምዃኑ ተሰማሚዖም። ብዛዕባ ካልእ ጠንቅታት ምጥሓል ግን ክሰማምዑ ኣይክኣሉን። ነፕቱን ሚሳይላት ኣባል ዓለምለኻዊ ትካል ትስትራተጂካዊ መጽናዕቲ፡ ጆናታን ባንታም፡ እታ መርከብ ብርግጽ ካብተን "ስላቫ" ብዝብል ደረጃ ዝጽውዓ ምዃናን ሞስክቫ "ክትከውን ከምእትኽእልን" ይገልጽ። እቲ ወሪዱዋ ዝነበረ ማህረምቲ ምስቲ ብነፕቱን ሚሳያላት ክወርድ ዝኽእል ዕንወት ዝመሳሰል'ኳ እንተኾነ፡ ካልኦት ጠንቅታት'ውን ኣብ ግምት ክኣትዉ ኣለዎም ይብል። ዝለሓዀ ነዳዲ ካልእ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርእይትኡ ዝሃበ ድማ ብሪጣንያዊ ሪር ኣድሚራል ክሪስ ፓሪ እዩ። ንሱ፡ ኣዛዚ ሓንቲ 'ዲስትሮየር' ዝዓይነታ ናይ ውግእ መርከብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ህራማ ናይ ሚሳይል ምዃኑ ይዛረብ። "ንውሽጢ ዝተጠምቦቐ ጎኒ ናይ መርከብ'ዩ ዝርአ" ዝበለ ሪር ኣድሚራል ፓሪ፡ "ውሽጣዊ ነትጒ ነይሩ እንተዝኸውን ንደገ ዝወጽአ ሓጺን ምርኣና ኣብ ክንዲ ንውሽጢ። እዚ ግን ንውሽጢ ከምዝነኾለን ከምዝተፈንጀረን'ዩ ዘመልክት። ብሓደ ወይ ክልተ ሚሳይላት ከም ዝተሃርመት ዘጠራጥር ኣይኮነን" ብምባል ድማ ይድምድም። እቲ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ዝነበረ ኣድሚራል ትኪ ክትዕብሎኽ ዝገበረ ዕንወት፡ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ሚሳይላት ብመጥቃዕቲ ምስ ነቕዐን ኣብኡ ዝነበረ ነዳዲ ምስለሓዄን ዝሰዓበ ከይኮነ ኣይተርፍን ይብል። "ደርብታት ናይታ መርከብ ምሉእ ብምሉእ ዘቢሉ'ዩ ዝርአ፡ እታ መርከብ ብምልእታ ዝነደደት'ያ ትመስል። ከምዝመስለኒ፡ እቲ ነዳዲ ናብቲ ደርብታት ፈሲሱ'ሎ፡ ዋላ ናብ ድሕሪት" ከኣ ይብል። ዝተፈንጀረ ተተኮስቲ ምስ 'ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ዝተባህለ' ትካል ዝሰርሕ ካልእ ወተሃደራዊ ኪኢላ ሲድሃርት ካውሻል ብወገኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ቀንዲ ክፋል ናይቲ ብሓዊ ዝዓነወ፡ "ኣብቲ ተተኮስቲ ጸረ-ነፈርቲ ብረታት ዝቕመጠሉ ዘሎ ቦታ'ዩ" ይብል። "ሓደ ግምት፡ ናይ ፈለማ መጥቃዕቲ ንተተኳሲ ጸረ-ነፈርቲ ብረታት ምስ ሃመኾ ባርዕ ተፈጢሩ" ክኸውን ከምዝኽእል ካውሻል ይዛረብ። ኩነታት ባሕሪ ዋላ'ኳ ኩነታት ባሕሪ ተለዋዋጣይ እንተኾነ፡ ኣብቲ ቪድዮ ሞስክቫ ብሰንኪ ማዕበል ባሕሪ ጥሒላ ንዝብል ምጉት ቤተ-መንግስቲ ክረምሊን ዝድግፍ የለን። ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ቅድሚ ምጥሓላ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እታ መርከብ ከቢድ ዕንወት ወሪዱዋ'ሎ። ኩሎም ኣባላታ ግዒዞም ኣለዉ" ኢሉ ነይሩ። ቢቢሲ ነቲ መግለጺታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይክኣለን። ሩስያ፡ ብዛዕባ ግዳያት ናይታ መርከብ'ውን ዝሃበቶ ሓበሬታ የለን። ብቐዳም፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዘውጽኦ ቪድዮ፡ ዝደሓኑ ኣባላት ናይታ መርከብ ኣብ ወደብ ሰቫስቶፖል ተሰሪዖም የርኢ። እታ 510 ኣባላት ዝነበሩዋ ሞስክቫ፡ ኣብ ኲናት ዩክረይን ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ትመርሕ ዝነበረት'ያ። ኣብ ፈለማ መዓልታት ናይቲ ኲናት፡ እታ መርከብ ኣብ ሓንቲ 'ስኔክ ኣይላንድ' (ደሴት ኣትማን) ንዝነበሩ ውሑዳት ዩክሬናውያን ሓለውቲ ኢዶም ክህቡ መልእኽቲ ምስ ገበረትሎም፡ እቶም ወተሃደራት፡ "ናብ ገሃነምኪ ጥፍኢ" ዘስምዕ ግብረመልሲ ሂቦማ ተባሂሉ ዝተነግረላ'ያ። ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝተፈፀመ ግህሰት ትምርምሮ ኣላ - ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ናብ ስልጣኑ ዝተመልሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ድሕሪ ዕልዋ ንዘካየድዎ ለውጥታት ይግምግም ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝተገደደ ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብ ቀይዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዝተዋህቡ መዝነታት ዳግመ-ግምት ከምዝግበረሎም ገሊጹ'ሎ። ብዘይካ'ዚ፡ እቶም በቲ ዕልዋ ካብ መዝነቶም ከምዝወርዱ ዝተገብሩ ሰበስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ኣዚዙ። ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንኩሎም ትካላት መሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ንብዙሓት ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም ከምዘውረዶም ይዝከር። እቲ ብሰንበት ናብ ቦትኡ ዝተመልሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ኣብዚ እዋን'ዚ ዝመርሖ መንግስቲ የብሉን። ብዛይካ'ዚ፡ ሓምዶክ፡ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዝተፈፀመ ግህሰት መርመራ ክካየድ ምዃኑ ከምዝተዛረበ'ውን መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰሉስ ምስ'ቲ ኣንጻር ወተሃደራዊ ምሕደራ ክቃለስ ዝጸንሐ ኪዳን ስምረት ንናጽነትን ለውጥን (ኤፍ-ኤፍ-ሲ) ድሕሪ ምርኻቡ እዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሱና ከምዝሓበሮ፡ እቲ ስምረት ሕጂ ነቲ ኣብ መንጎ ዓብደላ ሓምዶክን እቲ ሰራዊትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝድግፎ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ልፍንቲ ቅድም ክብል ሓምዶክ ናብ መዝነቱ ምምላሱ ስዒቡ፡ ምስቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ ንዝግበር ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ስምምዕ ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ገሊፁ ነይሩ'ዩ። ትማሊ ሰሉስ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን እቲ ጉጅለን፡ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን እቲ ሰራዊት መሰላት ምውዳብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓውሞ ከኽብርን ፀዊዖም። እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሓያል ሰልፍታት ተቓውሞ ክካየድ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 40 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉ ይግለጽ። እቲ ልፍንቲ ቅድም ክብል ሓምዶክ ናብ መዝነቱ ምምላሱ ስዒቡ፡ ምስቲ ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ንዝግበር ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውዕሊ ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ገሊፁ ነይሩ። ትማሊ ሰሉስ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን እቲ ጉጅለን፡ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑን እቲ ሰራዊት መሰላት ምክያድ ሰላማዊ ሰልፍታት ተቓውሞ ከኽብርን ፀዊዖም። እቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሓያል ሰልፍታት ተቓውሞ ክካየድ ምኽንያት ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 40 ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐተሉ ይግለፅ። ፈረንሳ ምስ ማሊ ዝነበራ ወተሃደራዊ ርክብ ኣወንዚፋቶ ኣብ ማሊ፡ ድሕቲ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ፈረንሳ፡ ምስ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማሊ ዝነበራ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት ሰሪዛቶ። ኣብ ማሊ ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ ዘረክብ፡ ምቁራፅ እቲ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ከምዝቕፅል ድማ ተገሊፁ። ፈረንሳ፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ዝርከቡ ዕጡቓት ሓልታት ንምውጋእ፡ ኣብ ሃገራት ማሊ፣ ቻድ፣ ሞሪታንያ፣ ኒጀርን ቡርኪናፋሶን ወተሃደራታ ኣዋፊራ ትርከብ። ኣብ ዝሓለፈ 25 ጉንበት እቲ ሓያል ወተሃደራዊ መራሒ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ ንሲቪላዊ ፕረዝደንት እታ ሃገር ባህ ንዳውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሞክታር ኦዋነን ካብ ስልጣኖም ገሊፍዎም እዩ። ኣብዚ ሰሙን ከኣ፡ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን (ኤኮዋስ) ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ንማሊ ካብ ኣባልነት ኣልዮማ። ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ፡ ውሳነ ኢኮዋስን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ማሊ ክህሉ ዝግባእ ፖለቲካዊ ስግግር መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ ገሊፁ። እቲ ሚኒስተር፡ "እዞም መረጋገፅታት ክሳብ ንረክብ፡ ፈረንሳ ንግዚኡ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ማሊ ተካይዶ ዝነበረት ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒት ክትስሕብ ወሲና" ኢሉ። እንተኾነ፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ኣብቲ ከባቢ ከምዝንቀሳቐሱ ተገሊፁ። ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን'ውን፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ ኣብ ማሊ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ነታ ሃገር ናብ እስላማዊ ኣኽራርነት ዝመርሓ እንተድኣ ኮይኑ፡ ፈረንሳ ወተሃደራታ ካብ ማሊ ከምተውፅእ ምጥንቃቑ ይዝከር። ይኹን'ምበር ሰራዊት ፈረንሳ ካብቲ ዞባ ጠቕሊሉ እንድሕሪ ወጺኡ፡ ኣብቲ ከባቢ እስላማዊ ጉጅለታት ብሰፊሑ ምንቅስቓስ ከይጅምሩ ይስጋእ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዞባ ሳሕል 5100 ወተሃደራት ኣዋፊራ ትርከብ ፈረንሳ፡ ንብዙሓት ዓመታት እስላማዊ ዕጡቓት ክትዋጋእ ፀኒሓ እያ። ፈረንሳ፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእታ ዝነበራ ሃገራት፡ ኣብዘን ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትገብር ምፅንሓ ይፍለጥ። ዝበዝሕ ግዘ ከኣ፡ ወተሃደራታ ብምልኣኽን፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ደብዳብ ኣየር ክትገብር ጸኒሓ። ኣብ ማሊ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክልተ ግዘ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ እንከሎ፡ ኣብ ቻድ ድማ ሓደ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ሕገ-መንግስታዊ ቤት-ፍርዲ ማሊ፡ ኣብታ ሃገር ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ንዝመርሐ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ መሰጋገሪ ፕረዚደንት ጌሩ ሰይምዎ። ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ኣዋርሕ ክልተ ግዘ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምግባር ስልጣን ዝሓዘ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ ጎይታ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ግዝያዊ መራሒ ማሊ ከምዝኾነ ብወግዒ ኣዊጁ። ፕረዚደንት ባህ ንዳውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞክታር ኦዋነን፡ ግቡኦም ስለዘይፈፀሙን ናይታ ሃገር ስግግር ንምዕንቃፍ ስለዝፈተኑን ብዝብል፡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ከምዝገለፎም እዩ፡ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ ዝገልፅ። ካቢነ ማሊ ምቅይያር ምስገበረ፡ ወተሃደራት እታ ሃገር ንፕረዝደንት እታ ሃገር ዝነበረ ባህ ንዳውን ቀዳማይ ሚኒስትር ሞክታር ኦዋነን ኣሲረሞም ይርከቡ፤ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ዘማኸረኒ ኣይነበረን ኢሉ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ማሊ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ'ውን ዝመርሐ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ ብመረፃ ኣብ ስልጣን ንዝነበረ ፕረዝደንት ቡባከር ኬይታ ከምዝዓለዎ ይዝከር። ኣብ ሒደት መዓልታት ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝሽየም ቃል ዝኣተወ ወተሃደራዊ መራሒ ኮሎኔል ኣሲሚ ጎይታ፡ ኣብ ማሊ ክካየድ ዝተተለመ ሃገራዊ መረፃ 'ውን ኣቐዲሙ ብዝተትሓዘ ትልሚ መሰረት፡ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ከምዘካየድ ገሊፁ። ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ጋራዥ መኻይን ንዝደቀሱ ወተሃደራቱ ይቕሬታ ሓቲቱ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ጸጥታ ንምኽባር ብዝብል ኣብ ካፒቶል [ህንጻ ኮንግረስ ኣመረካ] ዝተወፋሩ ገለ ኣባላት ሓለዋ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ናይ መካይን ደው መበሊ ስፍራ ደቂሶም ዘርኢ ስእልታት ብሰፊሑ ምስተበተነ ይቕሬታ ሓቱቱ። ኣብ ናይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን በዓለ ሽመት ልዕሊ 25 ሽሕ ወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ መላእ ዋሺንግቶን ዲሲ ተዋፊሮም ውዒሎም። ክንድኡ ዝኣክል ወተሃደር ዝተዋፈረ ብሰንኪ እቲ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ ካፒቶል ዘጋጠመ ናዕቢ ምኽንያት ከምዝኾነ ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሓደ መካይን ደው ዝብላሉ ጋራዥ ተገዲሞም ዘርእዩ ስእልታት ቀልቢ ተጠቐምቲ ማሕበራዊ መራኸብታት ስሒቦም ነይሮም። እቲ ኩነታት ንገለ ፖለቲከኛታትን ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ኣቖጢዑ’ዩ። ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓለዋ ሃገራዊ ድሕነት ጸዊዑ ይቕሬታ ከምዝሓተቶን እንታይ ክግበር ከምዝከኣል ከምዝሓተቶን መራኸብቲ ሓፋሻት ኣመሪካ ጸብጺበን። ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደን ብግድኣ ናይ ዋይት ሃውስ ብሽኩቲ ከም ውህብቶ ንገሊኦም እቶም ወተሃደራት ከምዝበጽሓትሎምን ብውልቃ ከምዘመስገነቶምን ተሓቢሩ። “ሎሚ መዓልቲ ናባኹም ክመጽእ ዝደለኹሉ ምኽንያት ንባዕለይን ስድራይን ስለዝሓለኹሙና ንኹለኹም የቐንየልና ክብል ስለዝደለኹ'የ” ከምዝበለቶም ይግለጽ። ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ጋራዥ ደቂሶም ዘርኢ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብሰፊሑ ምስተጠቕዑ ንኣባላት ኮንግረንስ እንከይተረፈ ኣቖጢዑ። እቶም ኣባላት ሓለዋ ንናይ መካይን ትኪ ምቅልዖምን ከም ሽቓቕ ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ነገራት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ምዕስካሮምን ንብዙሓት ስኽፍታ ፈጢሩ’ዩ። እቲ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ኣጋፊሑ ከይኸውን’ውን ስግኣት ፈጢሩ’ሎ። ካብቶም ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሚኢቲ ዝኾኑ ኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል መዚ ኣመሪካ ንሮይተረስ ሓቢሩ። ኣባል ዴሞክራት ዝኾነ ቹክ ስኩመር እቲ ክስተት ዘሕርቕ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ ፍጹም ዳግማይ ከምዝይኽሰት ቃል ኣትዩ። ኣመሓዳሪ ግዝኣት ፍሎሪዳ ብወገኑ እቲ ኩነታት ምስኣጋጠመ ካብቲ ንሱ ዘመሓድሮ ግዝኣት ናብ ዋሽንግቶን ንዝተለኣኹ ወተሃደራት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ካብ ዝጸውዑ ሰበስልጣን ሓደ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ክስተት ከመይ ከምዝተፈጠረ ይጻረ ከምዘሎ ዝሓበረ ድማ ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ ሮይ ብለንት’ዩ። ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ንዝቐረበላ ክሲ ተቓዊማቶ ሱዳን፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ብኢትዮጵያ ንዝቐረበላ ክሲ ብምቅዋም መልሲ ሂባትሉ። መንግስቲ ኢትዯጵያ፡ ኣብ'ቲ ቅድም ኢሉ ዘውጸኦ መግለጺ 'ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዶባዊ ግጭት ንምልዓል ትተዃቱኽ ኣላ' ክብል እዩ ከሲሱ ነይሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ክሲ ብትሪ ዝነቐፈ ኮይኑ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለጺ 'ንርክባት ክልቲኤን ሃገራትን ንዝምድና ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራትን ዝኽሕድ' ክብል ከምዝገለጾ'ውን ወኪል ዜና ሱና ጸብጺቡ። ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝርከብን ኢትዮጵያን ሓረስቶት ሰፊሮም ክሓርስዎ ንዝጸንሑ ልሙዕ ናይ ሕርሻ ቦታታት፡ ናታ ግዝኣት ከምዝኾነ ብምግላጽ ሱዳን ድሕሪ ምቁጽጻራ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምስሕሓብ ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ምስሕሓብ ገና ንኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፡ ብዶብ ብምስባብ "ክልቲአን ሃገራት ናብ ኩናት ክኣትዋ መታን፡ ሓይሊ ምክልኻል ሱዳን ብተኹታኹነት ናይ ሳልሳይ ወገን መጥቀሚ ይኸውን ኣሎ" ክትብል እያ ትኸስስ። እቲ ብኢትዮጵያ ዝተውሃበ መግለጺ፡ ካብቶም ቅድም ክብል ክወሃቡ ዝጸንሑ ርእይቶታት ዝተረረ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ። "ንሱዳን ዘናዕቕን ይቕረ ዘይበሃል ጸርፍን እዩ" ክትብል ድማ ሱዳን ተቓዊማቶ ኣላ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ነዚ ምስሕሓብ ንምዝሓልን ሰላማዊ ዕልባት ክረክብ ንምግባርን፡ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ ዝተቐበልዎ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ካርቱም ከምዝኣተወ ገሊጹ'ሎ። ሱዳን ወሲኻ፡ እቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ቦታታት ልዑላዊ ግዝኣታ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ እንተደልያ ግን ዞባውን ዓለማውን ሕጋዊ ኣማራጽታት ክትስዕብ ከምእትኽእል ገሊጻ'ላ። ኢትዮጵያ ድማ" ኣብ'ቲ ቅድም ክትብል ዝሃበቶ ንሓይሊ ምክልኻል ሱዳን ዝነቐፈትሉ መግለጺኣ፡ "ሰራዊት ሱዳን ዓለምለኻዊ ሕጊ ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ፈጺሙ" ምባላ ዝዝከር እዩ። ሰራዊት ሱዳን 'ንብረት ዘሚቱ፣ መዓስከራት ኣቃጺሉ፣ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣፈናቒሉ፣ ጥርሖም ዝነበሩ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ'ውን ተቖጻጺሩ' ክትብል ከሲሳ ነይራ። ሱዳን ብወገና፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ግዝኣታ ኣትዩ ወራር ከምዝፈጸመ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልቲኤን ሃገራት፡ ብሰንኪ እዚ ዶቧዊ ምስሕሓብ ናብ ኩናት ክኣትዉ ድልየት ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ። እንተኾነ፡ ኣብ'ቲ ዶባት ዝርከቡ ነበርቲ ከምዝብልዎ ግን፡ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ወጥሪ ዓሲሉ እዩ ዘሎ። ኣብ ክልቲኡ ሸነኻት እቲ ዶባት ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ እውን እናወሰኸ ምምጽኡ ይግለጽ። ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ኣምባሳደር እታ ሃገር "ንምኽሪ" ናብ ካርቱም ከምዝጸወዓቶ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ስጉምቲ ምስ'ቲ ዶቧዊ ምስሕሓብ ዝራኸብ ብዛዕባ ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ኢትዮጵያን ሱዳንን ከባቢ 750 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ናይ ሓባር ዶብ ክህልወን እንከሎ፤ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ብንጹር ኣብ ባይታ ኣይተመልከተን። እቲ ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመታት ንኽልቲአን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶብ ኣልፋሻጋ፡ ዓቢይ ናይ ሕርሻ ልምዓትን ምስኡ ዝተሓሓዝ ወፍርን ዝካየደሉ እዩ። ኩርናዕ ኣልፋሻጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኮይኑ፡ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ምዃኑ ይግለጽ። ክልቲኦም መንግስታት ኣቐዲሞም፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን፡ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባርን ተሰማሚዕም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ናይ ክልቲአን ሃገራት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክውስኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም። እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን። ዕልዋ መንግስቲ ጒኒ፡ ሓድሽ ናይ 'ሕብረት' መንግስቲ ክምስረት ምዃኑ መራሕቲ ናይቲ ዕልዋ ገሊጾም መራሒ ናይቲ ንፕረዚደንት ጒኒ ኣልፋ ኮንደ ካብ ስልጣኑ ዝዓለወ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ናይ "ሕብረት" መንግስቲ ከምዝምስርት ኣፍሊጡ። ኮለነል ማማዲ ዶምቦያ ንሚኒስተራት ናይቲ ብፕረዚደንት ኮንደ ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ነበር ስጉምቲ ከምዘይውሰድ ቃል ኣትዩ። መጻኢ ናይቲ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ፕረዚደንት ኮንደ እንታይ ከምዝኸውን ግን ዛጊት ብንጹር ኣይተፈልጠን። ነቲ ዕልዋ ዝኾነኑ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስን፡ እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክትምለስ ጸዊዖም ኣለዉ። "ነቲ ዝተገብረ መንግስቲ ብሓይሊ ብረት ናይ ምቁጽጻር ስጉምቲ ኣትሪረ እኹንኖን፡ ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ብቕልጡፍ ክፍታሕ እጽውዕን" ክብል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብትዊተር ግብረመልሲ ሂቡ። ድሕሪ'ቲ ብሰንበት ንዝሰዓታት ዝቐጸለ ተዂሲ፡ ርእሰከተማ ኮናክሪ ኣብዚ እዋን'ዚ ሃዲኣ ከምዘላ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ሰራዊት'ታ ሃገር ብምልኡ ነቲ ዕልዋ ዝድግፎ እንተኾይኑ ዝተፈልጠ ነገር የለን። እቲ ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ጒኒ ዝኾነ ኮለነል ዶምቦያ፡ እቲ ዝምስረት መንግስቲ መዓስ ከምዝቐውም ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን። "ንሓፈሻዊ መቓን ናይቲ ዝህሉ መሰጋገሪ እዋን ንምንጻር፡ ልዝብ ክካየድ'ዩ። ብድሕሪኡ፡ ነቲ መሰጋገሪ እዋን ዝመርሕ ሃገራዊ ናይ ሕብረት መንግስቲ ክምስረት'ዩ" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ንሚኒስተራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ካብታ ሃገር ከይወጹን፡ ዝተዋህብኦም ናይ መንግስቲ መካይን ንሰራዊት ከረክቡን ኣዚዙ'ሎ። ኣብታ ሃገር ዘለዋ ናይ ዕደና ኩባንያታት ንጥፈታተን ክቕጽላ ዝተማሕጸነ እቲ መራሒ ናይቲ ዕልዋ፡ እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ሰዓት እቶ እቶ ንዐን ከምዘይትንክፍ ተዛሪቡ። እቲ ዕልዋ ብኸመይ ተፈጺሙ? ሰንበት ምሸት፡ ሓደ ጉጅለ ወተሃደራት ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ብምቕራብ፡ ቅዋም'ታ ሃገር ከምዝፈረሰ፡ ዶባት ከምዝተዓጽወን፡ ኣብ መላእ ሃገር ሰዓት እቶ እቶ ከምዝተኣወጀን ኣቃሊሖም። ኣመሓደርቲ ዞባታት ብኣዘዝቲ ሰራዊት ከምዝተተክኡን፡ እቲ ወዲ 83 ዓመት ፕረዚደንት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ድሓን ከምዘሎን ድማ ገሊጾም። ኮለነል ዶምቦያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነገሰ ብልሽውናን ግዕዙይ ምሕደራን ንምኽታም ዕልዋ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ብጎነጽ ዝተሰነየ ሃገራዊ ምርጫ ንሳልሳይ እብረ ምዕዋቱ ይዝከር። እቲ ገዲም መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝነበረ ኮንደ፡ ኣብቲ ኣብ 2010 ንመጀመርታ እዋን ዝተኻየደ ደሞክራስያዊ ምርጫ ብምዕዋት'ዩ ንፈለማ እዋን ኣብ ስልጣን ደዪቡ። ዋላ'ኳ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ገለ ገስጋስ እንተርኣየ፡ ዘመነስልጣኑ ብምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ምስርጣይ ተቓወምትን'ዩ ዝግለጽ። እቲ ዕልዋ ብወግዒ ድሕሪ ምቅልሑ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ርእሰከተማ ኮናክሪ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ሓጎሶም ክገልጹን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ማካይን ብምድያብ ባንዴራታት እንዳበልበሉ ደገፎም ነቲ ዕልዋ ክገልጹን ተራእዮም። መስራቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ሃገራዊ ግንባር ንምክልኻል ቅዋም፡ ማሞዶ ናግናላን ባሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ስሚዒታት ከምዝተቐርቀረ'ኳ እንተገለጸ፡ ዝያዳ ግን ነቲ ዕልዋ ዘለዎ ደገፍ ከምዝዓቢ ተዛሪቡ። "በቲ ዝተፈጸመ ነገር እናሓዘንኩ'የ ዝሕጎስ ዘለኹ" ኢሉ። "ብዕልዋ ክንሕጎስ ኣይንደልን ኢና፡ እንተኾነ ግን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ከምዚ ናይ ጒኒ፡ በቲ ዝተፈጸመ ነገር ኣዚና ከምዝተሓጎስና ኢና ነንዛረብ እንኽእል። ምኽንያቱ ብዘይብኡ፡ እታ ሃገር ኣብ ኢድ ዘይነጽፍ ስልጠዓመን ሓደ ሰብ ኮይና ንዘልኣለም ክትቅጽል ትኽእል'ያ" እቶም ወተሃደራት ስልጣን ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ተስፋ ከምዘለዎ ድማ ባሪ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። እዚ ኣብ ጒኒ ተፈጺሙ ዘሎ ዕልዋ፡ ካብ ነሓሰ 2020 ጀሚሩ ንራብዓይ ግዜ ኣብ ዞባ ምዕራብ ዝፍጸም ዘሎ ዕልዋ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን'ቲ ጥራይ ኣብ ማሊ ክልተ ዕልዋታት ክፍጸም እንከሎ፡ ኣብ ኒጀር ድማ ሓደ ዝፈሸለ ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ ነይሩ። ኢትዮጵያ: ብናዕቢ ዝሕቆና ዘለዋ ዩኒቨርስቲታት ከመይ ኣለዋ? ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዘሎ ኩነታት እንተዘይሃዲኡ ክዕፀዋ ከምዝኽእላ ኣጠንቂቑ እዩ። ንምዃኑ እተን ናዕቢ ዝተረኣየለን ዩኒቨርስቲታት ከመይ ቀንየን? ዘላቒ ፍታሕ'ኸ? ዘላቒ ፍታሕ'ኸ? ቅድሚ 10 መዓልታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወልድያ፡ ብዘጋጠመ ብሄር ተኮር ጎንጺ፡ ክልተ ተምሃሮ ተወለድቲ ኦሮሞ ምቕታሎም ይዝከር። ነዚ ስዒቡ ካብ ክልል ኦሮምያን ፌደራልን ዝመጽኡ መራሕቲ፣ ዓበይቲ ዓድን ኣመራርሓ እቲ ዩኒቨርሲትን ነቶም ተምሃሮ ኣዘራሪቦምዎም። እቲ ዩኒቨርሲቲ'ውን፡ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቶም ንክምለሱ ጸዊዑ። እቲ ኩነታት ግን ክሃድእ ኣይከኣለን። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብዘጋጠመ ዘይምርግጋእ፡ ንዝሓለፉ ትሽዓተ መዓልታት ኣብ ደገ ክሓድሩ ዝጸንሑ እዞም ተምሃሮ፡ 'እቲ ዘሎ ኩነታት ንድሕነትና ስለዘስግአና፡ ናብ ኦሮሚያ ክንምለስ ንደልይ ኢና' ብምባል፡ ትማሊ ሰኑይ፡ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም። እቲ ዩኒቨርሲቲ ግን፡ ተምሃሮ፡ ካብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንከይወጽኡ ኣጊድዎም'ዩ። ቅድሚ ሒደት ሰሙን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ዝተወልዐ ጎንጺ'ውን ቅሂሙ፡ ተምሃሮ ግን ናብ መኣዲ ትምህርቶም ክምለሱ ኣይከኣሉን። ብምኽንያት እቲ ጎንጺ፡ ዝተጎድኡ ተምሃሮ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይከታተሉ ከምዘለዉ፡ ካብቲ ዪኒቨርሲቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ብኣካላት ጸጥታ ፌደራልን ሰራዊት ምክልኻልን እዩ ዝሕሎ ዘሎ። ትማሊ ሰኑይ፡ ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ ዝብል ትጽቢት ነይሩ። ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ብሓጹር ዘሊሎም ካብ ምህዳም ወጻኢ፡ ናብ መምሃሪ ክፍሊ ክምለሱ ኣይከኣሉን። እኳድኣስ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ተምሃሪት እቲ ዩኒቨርሲቲ ተዓሚጻ ዝብል ሓበሬታ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተላቢዑ። ፕረዝደንት ቤት ምኽሪ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ የኣብስራ ኣስፋው ግና፡ 'ስኑዕ ሓበሬታ እዩ' ክትብል ምላሽ ሂባትና። "ክሳብ ሕዚ ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ናይታ ተዓሚጻ ዝተብሃለት ተምሃሪት ስም ኣይረኸብናን። ሓንቲ ተምሃሪት ተዓሚጻ ዝብል ወረ ተወርዩ፡ ግን ካብ ቤላቤሎ ሓሊፉ ርቱዕ ሓበሬታ ዝዛረብ የለን" ኢላ። "ዝጠፍኣ ተምሃሮ እንተልየን ኣብ ሓድሕድ መሕደሪ ተምሃሮ ከይድና ኣረጋጊጽና፣ ግን ፍርቀን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ እየን ዝነብራ ዘለዋ። እቶም ተምሃሮ ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ካበይ ከምዘምጽእዎ ኣይፈልጥን፤ ተባሂሉ እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ክነጻርይ ፈቲንና፤ ግን ርእየ ኢሉ ዝዛረብ ሰብ ኣይረኸብናን" ክትብል'ውን ወሲኻ ሓቢራ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ብሄር ተኮር ጎንጺ፡ መጉዳእቲ በጺሕዎ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክከታተል ዝጸንሐ ተምራይ [ተወላዲ ኦሮሞ]፡ ህይወቱ ከምዝሓለፈ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ። ንምዃኑ፡ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ዘጋጥም ዕግርግር፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት ናብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ብምልባዕ፡ መኣዲ ፍልጠት ናብ መኣዲ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዝቕየረሉ፡ ሚንስቴር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ እንታይ ይገብር ኣሎ? ዘላቒ መፍትሒ'ኸ እንታይ ይኸውን? ኣብ ሚንስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ኣይተ ደቻሳ ጉሙ፡ ኣብዚ ጉዳይ ኩሉ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ጻውዒት የቕርቡ። "ናይ ተምሃሮን ዩኒቨርሲቲን ኣጀንዳ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝተፈጠረ ጸገም ኣይኮነን ዘጓንጾም ዘሎ፤ ካልእ ናይ ፖለቲካ ዛዕባ እዩ። እዚ ድማ ናብ ብሄር ተኮር ጎንጺ ተስፋሕፊሑ። ዩኒቨርስቲታት ናብ ዝነበርኦ ሰላም ንክምለሳ ከኣ፡ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓቢሩ ክሰርሕ ይግባእ" ኢሎም። "ዩኒቨርሲቲ ሰላማዊ እንተድኣ ዘይኮይኑ ተምሃሮን ወለድን ምስግኦም ኣይክተርፍን። እዚ ስግኣት እዚ ንምፍታሕ ድማ፡ ኣመራርሓ ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲ፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣካላት ጸጥታን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ብምጥያሽ ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና" ዝብሉ ኣይተ ደቻሳ፡ ተምሃሮ ስለዝሰግኡ ግን፡ ንዕኡ ንምርግጋእ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም። ጠንቂ እቲ ጸገም እንከይተፈትሐ፡ተምሃሮ ካብ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲታት ንከይወጽኡ ምኽልካልን ብኣካላት ጸጥታ ምሕላውን ክሳብ መዓስ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል? ኣይተ ደቻሳ ነዚ መልሲ ክህቡ ከለዉ "ኣይትውጽኡ፣ ጽንሑ ንብሎም ዘለና እኮ ንድሕንነቶም እዩ። ዩኒቨርሲቲ ዓጺኻ ምብታን መፍትሒ ክኸውን ስለዘይኽእል እዩ" ዝብል መልሲ ሂቦም። "ልዕሊ እቲ ዝተፈፀመ ነገር፡ ዝውረ በለካ ለኸዐካ እዩ ዝገድድ። ተምሃሮ ወላ ሓደ ከባእሶም ዝኽእል ምኽንያት የለን። እዚ ንምፍታሕ ድማ ሙሉእ ሓይልና ተጠቂምና ንሰርሕ ኣለና" ኢሎም። ሱዳን፡ ሰራዊትን ስለያን ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንሓድሕዶም ተታዂሶም ሎሚ ሰሉስ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ኣብ መንጎ ሰራዊትን ኣባላት ኣገልግሎት ስለያን ሱዳን፡ ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዂሲ ተኻይዱ። ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ከም ዝተዓጽወን፡ ኣብታ ከተማ ድሩዓት ወታሃደራዊ መካይን ተዋፊረን ከም ዘለዋን፡ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ጠንቂ ናይቲ ግጭት፡ ኣባላት ስለያ ዘልዓልዎ ናይ መጣየሲ ክፍሊት ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ጠቕላሊ ኣገልግሎት ስለያ (GIS) ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ስለያ፡ ኣዝዩ ዝፍራሕ ዝነበረ'ኳ እንተነበረ፡ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ዝዕሎ ንደሓር ግና፡ ጽልውኡ እናጎደለ'ዩ መጺኡ። ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝፍጠር ግጭት ንምርግጋእ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ተዓዘብቲ ተዛሪቦም። ዑመር ኣልበሽር ብሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ብወታሃደራውያን ኣዘዝትን ሲቪላውያንን ዝምራሕ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ተመስሪቱ ይርከብ። ኮንጎ፡ ኣዛዚ ስለያ ኮንጎ ኣብ ገዝኡ ሞይቱ ተረኺቡ ሰራዊት ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሞት ሓላፊ ስለያ እታ ሃገር ዝነበረ ይምርምር ምህላዉ ገሊጹ። ደለፊን ካሂመቢ፡ ኣብ ርእሰ-ከተማ ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ግዝኡ እዩ ሞይቱ ተረኺቡ። ቅድሚ ምማቱ ግን መጋባእያ ሃገራዊ ድሕነት ቀሪቡ ምስክርነት ክህብ ነይርዎ። ንሱ፡ ንመንግስቲ ፊሊክስ ቺሰከዲ ዕግርግር ኣብ ዘእቱ ውዲት ተሳፈቲፉካ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ ነይሩ። ጀነራል ደለፊን ካሂመቢ፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዕንቅፋት ኮይኑ ብዝብል ብኤውሮጳዊ ሕብረት ተኣጊዱ ምንባሩ ይፍለጥ። ፕረዚደንተ ኮንጎ ፈሊከስ ቺሰከዲ፡ ነታ ሃገር ን18 ዓመታት ንዝመርሓ ፕረዚደንት ጆሰፍ ካቢላ ብምትካእ'ዩ ኣብ 2019 ስልጣን ተረኪቡ። እዚ ኣብታ ሃገር ድሕሪ 60 ዓመታት ዝተገብረ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን'ዩ። ጀነራል ደለፊን ካሂመቢ፡ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ጆሰፍ ካቢላ፡ ሓያል ሰብ ከምዝነበረ ይንገር። እዚ ኣብ ወተሃደራዊ ስለያ ክኢላ ስትራተጂስቲ ከምዝነበረ ዝነገረሉ ጀነራል፡ ነቶም ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ምድምሳስ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተ ጸብጻባት የመልክቱ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ምልክት ጭፍጨፋን ጭኴናን ከምዝነበረ ተቓወምቲ ሓይልታት ይገልጹ። ክሳብ ሕጂ መን ከምዝቐተሎ ንጹር ኣይኮነን ዘሎ። ገለ ምንጭታት ግን እቲ ጀነራል ነፍሰ- ቅትለት ከምዝፈጸመ ይሕብሩ። ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ተኒ ዝቐረቦ ክሲ ክሳዕ ዝምልስ ካብ ስርሑ ጠጠው ኢሉ ምንባሩ ገለ ሓበሬታታት ይእምቱ። ኣመሪካ ኣሽሓት ወታሃደራታ ካብ ዒራቕ ከምእተውጽእ ኣፍሊጣ ኣመሪካ፡ 2,200 ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ወታሃደራታ ከተውጽእ ምዃና፡ ኣዛዚ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ኣፍሊጡ። ጀነራል ከነት ማከንዚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ ወርሒ'ዚ ቁጽሪ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ ካብ 5,200 ናብ 3,000 ክወርድ ምዃኑ ተዛሪቡ። እቶም ዝተረፉ ወታሃደራት ድማ፡ ናይ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዒሽ "ናይ መወዳእታ ተረፍመረፍ ንምምሓዉ" ንሓይልታት ጸጥታ ዒራቕ ኣብ ምስልጣንን ምምኻርን ክዋፈሩ እዮም ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ወታሃደራት ኣመሪካ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ጠቕሊሎም ካብ ዒራቕ ክወጹ መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ። ኣብዚ ንካልኣይ ግዜ ንክምረጽ ዝጉስጉሰሉ ዘሎ እዋን፡ ምውጻእ እቶም ወታሃደራት ከም ሓደ ካብ ዓወታቱ ክቖጽሮ ትጽቢት ይግበረሉ። ህላወ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዒራቕ፡ ኣብታ ሃገር ኣካታዒ ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ። ብፍላይ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ንፍሉጥ ኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሶለይማኒ ኣብ ርእሰከተማ ባግዳድ ድሕሪ ምቕታላ፡ ኣብ ዒራቕ ዓቢ ቁጠዐ ፈጢሩ'ዩ። ድሕሪ'ቲ ቅንጸላ፡ ፓርላማ ዒራቕ፡ መንግስቲ ንወታሃደራዊ ስርሒታት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ደው ከብል ዘገድድ ሕጊ ኣጽዲቑ ነይሩ። ክሳብ ሕጂ ግን እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ'ዩ ጸኒሑ። ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻ ዒራቕ ኣብቲ ወታሃደራት ኣመሪካ ዝነብሩሉ መዓስከራት መጥቃዕትታት ክፍንዉ ምጽንሖም ኣመሪካ ክትከስስ ምጽንሓ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ክልተ ወታሃደራት ኣመሪካን ሓደ ብሪጣንያዊ ወታሃደርን ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምቕታሎም ይዝከር። ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣንጻር ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዒሽ ንምቅላስ'ዩ፡ ኣብ 2014 ናብ ዒራቕ ኣትዩ ጸኒሑ። ንጀነራል ሰዓረ መኮነን ዝቖመ ሓወልቲ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ ንኢታማጆር ሽም ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነን መዘከርታ ዝቖመ ሓወልቲ ብዕሊ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ። እቲ ሓወልቲ ብሚኒስተር ምክልኻል ከም ዝተሃነፀ'ውን ተገሊፁ። ኣብ ስርዓት ምረቓ ሓወልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፤ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሌተናል ጀነራል ሞላ ሃይለማርያምን ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ተረኺቦም ነይሮም። መስርሕ ምፅራይ ቀተልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ደንጉዩ እዩ ዝበለት በዓልቲ ቤት ጀነራል ሰዓረ፡ ኮለኔል ፅገ፡ ቀተልቲ ኣፃሪኻ ናብ ቤት ፍርዲ ናይ ምቕራብ ስራሕ ሓላፍነት መንግስቲ ስለዝኾነ ንመንግስቲ ዘተሓሳስቦ ነገር የብለይን ኢላ። ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ መርመራ መቕተልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ሓቢሩ። ብድሕሪ'ቲ ቅንጸላ ንዘሎ ኩነታት ክትትል ይግበር ከምዘሎ ዝገለጸ ዶክተር ደብረጽዮን፡ ኣብ ሕክምና ዝርከብ ነቲ ቅትለት ዝፈጸመ ሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ድማ ዛጊት ምዝራብ ከም ዘይከኣለ ተገሊጹልና ኢሉ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሓወልቲ ካብ ዝተረኸቡ ነባራት ኣመራርሓ ህወሓት ተጋዳላይ ስየ ኣብርሃ፡ ሰዓረ ጅግና ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ጥራይ ዘይኮነስ ውሕሉል ፖለቲከኛ ከምዝነበረ ገሊፁ። ኢታማጆር ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 15 ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ። ደም ተመን ከመይ ከምዝስተ፣ ጥንቅርብዒት ከመይ ከምዝብላዕን ዝመሃሩ ወተሃደራን ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ወተሃደራት ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን፡ ናይ ተመን ደም ከመይ ከምዝስተ፣ ጥንቅርብዒት ከመይ ከምዝብላዕን ሳሬት ከመይ ከምዝተሓዝን ኣብ ወተሃደራዊ ስልጠና ይለማመዱ ኣለዉ። መርዛማት እንስሳት ከምዚ ብቐሊሉ ምልምማዶም ንብዙሓት ዘገርም እዩ። ኣውስትራልያ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ ብ17.5 ቢልዮን ዶላር ክሽየጥ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ምምሕዳር ኣቭየሽን መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ: ነቲ መዓርፊ ነፈርቲ ብ17.5 ቢልዮን ዶላር ናብ ኣውፈርቲ ክሽየጥ ኣብ ስምምዕ በጺሑ። እቲ ስምምዕ ናብ ግብሪ እንተሰጊሩ፡ መሸጣ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውስትራልያ ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ውዕል መሸጣ ተባሂሉ ክምዝገብ'ዩ። እንተኾነ እቲ ውዕል መሸጣ፡ ኣዝዮም ብዙሓት መሰናኽላት ኣብ ቅድሚኡ ተኾዲሞም ኣለዉ፤ በዚ ምኽንያት ናብ መወዳእታ ንኽበጽሕ ኣዋርሕ ክወስደሉ ይኽእል እዩ። ኣቦ ወንበር ምምሕዳር ኣቭየሽን መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ ደቪድ ጎንሶኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ቦርድ እዚ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ዋጋ እዚ መዓርፎ ነፈርቲ ንቡርን ኣብ መጻኢ ክህልዎ ዝኽልእ ዋጋን ኣብ ግምት ኣትዩ ከም ዝተተመነ'ዩ ንዝኣምን" ኢሉ። መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ ኣብ ኣውስትራልያ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ኮይኑ፡ መንግስቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብን ናብን እታ ሃገር ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳታት መገሻ ኣብ ዘልዓለሉ እዩ ክሽየጥ ከም ዝኾነ ዜና ወጺኡ። መንግስቲ ኣውስትራልያ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ዝተኸተቡ ሰባት ናብ ክልተ ዓበይቲ ዞባታት እታ ሃገር ክኣትዉን ዝኾነ ውሸባ ከም ዘይግበረሎምን ምግላጹ ይዝከር። ምምሕዳር ኣቭየሽን መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ፡ ብኣይኤፍኤም ኢንቨስተርስ፣ ኪው ሱፐር፣ ኣውስትራላያን ሴፐር፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ግሎባል ኢንፍራስትራክቸር ኣፐርትነርስ ዝተባህሉ ኣርባዕተ ትካላት ብጽምዶ የመሓድርዎ። እቲ ሓዲሽ ናይ መሸጣ ስምምዕ ናብ መወዳእታ ምዕራፍ ንኽበጽሕ ክሓልፎ ዘለዎ መሳናኽላት ኣለው። ሓደ ካብኡ፡ ብመሰረት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣውስትራልያን እቶም ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዘመሓድሩ ዘለዉ ትካላትን ኣቐዲሞም ዝኸተምዎ ውዕል፡ ነቲ ዋጋን ውዕል መሸጣን ዝምርምር ዘይሻራዊ ኣካል ቆይሙ ጸብጻብ ከቅርብ ኣለዎ። ካብቶም ኣብቲ መዓርፊ ነፈርቲ ብርኪ ዝገዝኡ'ውን ብውሕዱ እቶም ሰለስተ ርብዒ በቲ መሸጣ ክሰማምዑ ኣለዎም። ምምሕዳር ኣቭየሽን መዓርፎ ነፈርቲ ሲድኒ፡ ነዚ መሸጣ ኣመልኪቱ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2022 ክጋባእ ምዃኑ ሓቢሩ። ብሓደጋ ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ንዝሞቱ፡ ብነብሲ ወከፍ 800 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ተሓቲቱ ኣይተ ዘካርያስ ኣስፋው፡ ሓው ኣይተ ሙልጌታ ኣስፋው እዩ። ኣይተ ሙልጌታ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 1 መጋቢት 2010፡ 157 ተጓዓዝቲ ጽዒና ናብ ናይሮቢ-ኬንያ ትበርር ኣብ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝነበሩ ሓደ እዩ። ኣይተ ዘካርያስ ከምዝብሎ፡ እታ ነፋሪት ሰንበት ንጉሆ ቅድሚ ምውዳቓ ኣብ ዝነበረ ምሸት፡ ንሱን ሓዉን ምስ ቤተሰቦም ኮይኖም ድራር እናበልዑ ይጻወቱ ነይሮም። ኣይተ ሙልጌታ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን እዩ ነይሩ፤ ኣብቲ እዋን ናብ ናይሮቢ ዝበረረ ድማ ምስ ሞይኡ ኣብ ዝተሓሓዝ ስልጠና ንምስታፍ እዩ። ብሞት ሓዉ፡ ንሱ፣ በዓልቲ ቤትን ደቁን ንኣይተ ሙልጌታ ከምዝተሃሰዩ ኣይተ ዘካርያስ ይዛረብ። ኣይተ ዘካርያስን ሓው በዓልቲ ቤት ናይቲ መዋቲን ኣብ ኣመሪካ እዮም ዝነብሩ። ምስዚ ሓደጋ ብዝተኣሳሰር ዝህልዉ ዝኾኑ ጉዳያት ንምውዳእ ካብ በዓልቲ ቤት ኣይተ ሙልጌታ ሕጋዊ ውክልና ከምዝወሰዱ ይዛረብ። ኣብ ኣመሪካ፡ ምስ ጉዳያት መገዲ ኣየር ብዝተኣሳሰር ተሞክሮ ዘለዎም ጠበቓታት ደልዮም ንቦይንግ ከሲሶም እዮም። ኣይተ ሸኪስፒር ፈይሳ ኣብ ኣመሪካ ሲያትል ዝነብር ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ጥብቅና ናይ ልዕሊ 18 ዓመት ተሞክሮ ከምዘለዎ ይዛረብ። ጉዳይ በዓል ኣይተ ዘካርያስን ካልኦት በዚ ሓደጋ ዝተሃሰዩ ኬንያውያንን ሒዙ ንቦይንግ ከምዝኸሰሰ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ። ቦይንግ እቲ ክሲ ከምዝበጽሖ ዝተዛረበ ኣይተ ሼክስፒር መልሲ ይጽበዩ ከምዘለዉ ይገልጽ። እቲ ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ዝተኸፈተ ክሲ 37 ገጽ ዘለዎ ምዃኑ፤ ጭብጢ ናይቲ ክሲ ድማ ብዙሕ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ እንከሎ ጌግኡ ከይኣረመ፣ ብፍላይ ድማ ነፋሪት ኢንዶኒዥያ ብጥቅምቲ ወዲቓ እናሃለወት፡ ከምኣ ዓይነት ነፋሪት ምስ ጉድለታ ንኢትዮጵያ ሕዳር 2018 ከምዘረከበ ይጠቅስ። ነተን ነፈርቲ ጸገም ምህላወን እናፈለጠ ኮነ ኢሉ ንኢትዮጵያን ንካልኦት ሃገራትን ምሻጡ፡ ንመገድታት ኣየር ኣመሪካን ንኻልኦት ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራትን ዝሸጦ ዝተፈላለየ ከምዝኾነ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ህይወት ሰብ ከምዝጠፍአ ብምጥቃስ፡ ንግዳያት ካሕሳ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ቦይንግ ክቕጻዕ ክሲ ከምዘቕረቡ ይዛረብ። ኣብ ክሲ ቦይንግ መጠን ካሕሳ ከምዘይገለጹ እኳ እንተጠቐሰ፤ ከምኡ ኣይነት ጌጋ ከይድገም መምሃሪ ዝኸውን ብነብሲ ወከፍ ሰብ ክሳብ ሓደ ሚኢቲ ሚልዮን ዶላር ክቕጻዕ ከምዝኽእል ግምቱ የቐምጥ። ቦይንግ ኣብ 2018 ብዓመት 110 ቢሊዮን ዶላር ዝኸሰበ ኩባንያ እዩ። ኣብታ ዝወደቐት ነፋሪት ኢትዮጵያ 157 ሰባት እኳ ተሳፊሮም እንተነበሩ፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ክሲ ዝመስረቱ ግን ፍርቆም ከምዝኾኑ ብምግላጽ ብዘይካኦም ክሳብ ሕዚ ነዚ ኩባንያ ዝኸሰሰ ከምዘየለ ኣይተ ሼክስፒር ይዛረብ። ሕቶ ንምምሕዳር ፌደራል ኣቭየሽን ኣመሪካ እዚ ትካል፡ ነፈርቲ ቦይንግ ክበርራ ይኽእላ እየን ኢሉ ፍቓድ ዝህብ መንግስታዊ ተቖጻጻሪ ኣካል እዩ። እቲ ክሲ ድማ፡ እቲ ትካል ግቡኡ ገዲፉ ምስቲ ነጋዳይ ኩባንያ ብምሽራኽ ናብ "ሽርሒ" ከምዝኣተዉ ዝገልጽ እዩ። ምምሕዳር ፌደራል ኣቭየሽን ኣመሪካ፡ ሓንቲ ነፋሪት ተሰሪሓ ቅድሚ ናብ ዕዳጋ ምቕራባ ዝፍትሽ፣ ዝምርምርን ንበረራ ብቕዕቲ ኮይና ምስዝረኽባ ድማ ወረቐት ምስክር ዝህብ ትካል እዩ። እንተኾነ ግን፡ 'እኹል ሓይሊ ሰብን ገንዘብን የብልናን' ብዝብል ናይ ምፍታሽን ምምርማርን ሓላፍነቱ ንባዕሉ ንቦይንግ እዩ ሂብዎ። እቲ ተቖጻጻሪ ኣካል፡ ዝተፈላለዩ ጥርዓናት አንትቐርብሉ እተን ነፈርቲ ከይበራ፣ ከይሽወጣ ምግባር እናኸኣለ፡ ቦይንግ ምስ ፈረንሳዊ መፍረዪ ነፈርቲ ዝኾነ ኤር ባስ ዘለዎ ንሕንሕ እናፈለጠ ዕሽሽ ብምባሉ፡ ምስቲ ናይ ኢንዶኒዥያ ሓደጋ ሓዊሱ ልዕሊ 300 ሰባት ክሞቱ ክኢሎም ይብል እቲ ጠበቓ። ኣብቲ ዘቕረቦ ክሲ፡ ንዓማዊሉ ብነብሲ ወከፍ ሰብ 800 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ከምዝሓተቱ ዝዛረብ ኣይተ ሼክስፒር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንክሶም መልሲ ንምሃብ ክሳብ ሓሙሽተ ወርሒ ገደብ ግዜ ከምዘለዎ ይዛረብ። ዘይምልስ እንተደኣኾእኑ ግን፡ "ናብ ቤት ፍርዲ ከይድና ብግዲ ዓማዊልና ፍትሒ ክረክቡ ክንፍትን ኢና" ኢሉ። ቦይንግ ኣብ ታሪኹ ንፈለማ እዋን ብገበን ይምርመር ከምዘሎ ዝጠቐሰ ኣይተ ሼክስፒር፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካን ኤፍቢኣይን ንቦይንግ ብገበን ይምርምረርዎ ከምዘለዉ ይገልጽ። "ንሕና ሓበሬታ እናሃለዎም፣ ኮነ ኢሎም ዝሓብኡዎ ሰባት ኣለዉ ኢልና ኢና ንኣምን" ይብል ኣይተ ሸኪስፒር። ቦይንግ በቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላጽ፡ ይቕረታ ምሕታቱ ይዝከር። ኣይተ ዘካርያስ ግን ነዚ ኣይቅበሎን። ይቕረታ ክሕተት ዘለዎ ንስድራ ግዳያት'ዩ ዝብል ንሱ፡ ቦይንግ ግን ኣብ ማዕኸናት ዜና ቀሪቡ ንሓፋሽ ጅምላዊ ይቕረታ ምሕታቱ ይዛረብ። በቲ ሓደጋ ኣባላት ስድርኦም ወይ መቕርቦም ናይ ዝስኣኑ ሰባት ኣድራሻ ብቐሊሉ ምርካብ እናኸኣለ፡ ቦይንግ ዝኣክል ዓብይ ኩባንያ ናይ ሓዘን ዕምበባ ወይ ካርዲ ናብ ስድራ ግዳያት ከምዘይለኣኸ የረድእ። "ኣቦይን ኣደይን'ኮ ኢንተርኔት የብሎምን፤ ቦይንግ ዝሃቦ መግለጺ'ውን ብቴሌቪዠን ክርእዩ ኣይክእሉን" ድሕሪ ብምባል፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግን፡ ካብታ ሓደጋ ዘጋጠመትላ መዓልቲ ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ናብ ስድራ ግዳያት እናተመላለሰ፡ መግለጺ ሓዘን ዕምበባን ካርዲን ከም ዝለኣኸ ኣዘኻኺሩ። ንሕቶታቶም ብምቕባል ድማ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መልሲ ብምሃብ ኣብ እዋን ሓዘኖም ካብ ጎኖም ከም ዘይተፈለየ'ውን ይገልጽ። ቦይንግ፡ እታ ነፋሪት ካብ መሬት ተላዒላ ክሳብ እትወድቕ ንዝነበራ ሽድሽተ ደቓይቕ ጥራሕ መሰረት ብምግባር፡ ኣብረርቲ ብዝፈጸምዎ ስሕተት ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ክገልጽ ምፍታኑ ድማ ንሓዉ በቲ ሓደጋ ብምስኣኑ ዝያዳ ሓዘን ክስምዖ ከም ዝገብሮ ይዛረብ። "ቦይንግ ከም ዝሓዘነን ዝከኣሎ ከም ዝገብርን ክገልጽ ይኽእል'ዩ፡ ግን ከኣ ይሕስወና'ዩ ዘሎ" ይብል። ኣይተ ዘካርያስ ከም ስድራ ግዳይ ፍትሒ 'የድልየና' ይብል። ንስድርኦም 'ሓበን' ዝነበረ ሰብ በቲ ሓደጋ ከም ዝሰኣኑን ብምግላጽ፡ በዓልቲ ገዝኡን ደቁን ከምኡ'ውን ኣዲኡን ኣቡኡን ከቢድ ሓዘን ከም ዘጋጠሞም የረድእ። "ኣዴና ሕማም ሽኮር ስለዘለዋ ኣብ ቅነ'ቲ ሓዘን ምሉእ ስድራ ከቢድ እዋን ኣሕሊፉ'ዩ" ኢሉ። በዚ ምኽንያት ከኣ ንሱን ሓዉ በዓልቲ ገዝኡን ነቲ ጉዳይ ናብ ኣደባባይ ፍትሒ ክወስድዎ ወሲኖም። እቲ ዝተፈጠረ ስሕተት ንኽቃላዕ፡ ነቲ ንቦይንግ [ነፈርቲ ቦይንግ] በረራ ንኸካይዳ ፍቓድ ዝሃበ 'ምምሕዳር ፌደራል ኣቪየሸን ኣሜሪካ' ምኽሳስ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ'ውን የረድእ። "መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን እንተኾነ ነቲ ካብ ናይ ኣሜሪካ ፌደራል ኣቪየሸን ዝወሃብ ወረቐት ምስክር ተኣማሚኑ'ዩ ነተን ነፈርቲ ክዕድገን ዝኽእል" ዝብል ኣይተ ዘካርያስ፡ እተን ብኩባንያ ቦይንግ ዝስርሓ ነፈርቲ፡ በረራ ንምክያድ ዘኽእለን መረጋገጺ ካብቲ ትካል ምስረኸባ ናብ ስራሕ ከም ዝኣትዋ ሓቢሩ። "እዚ ትካልን ቦይንግን፡ ዓማዊል ኣብ ነፈርቲ ቦይንግ ዝነበሮም እምነት ንኽምለስ ክብሉ ካብ ሕዚ ንደሓር ተመሳሳሊ ጸገም ንኸይፍጠር ክጥንቀቑ ክጅምሩ እዮም" ክብል ወሲኹ ገሊጹ። በዚ ምኽንያት፡ ፌደራል ምምሕዳር ኣቪየሸን ኣሜሪካ ንኣፍረይቲ ነፈርቲ ናይ ምቁጽጻርን ፍቓድ ምሃብን ሓላፍነቱ ብግቡእ ንኽፍጽም ከምዝግደድ ዝዛረብ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ሼኽስፒር ፈይሳ ብወገኑ፡ ድሕነት ነፈርቲ ውሑስ ብምግባር ድሕነት ተጓዓዝቲ ክሕሎ ከምዘኽእል የረድእ። ነቲ ምምሕዳር ኣቪየሸን ምኽሳስ ስድራ ግዳያት ፍትሒ ንክረኽቡ ምግባር ከም ዝከኣል'ውን ሓቢሩ። በቲ ሓደጋ ቤተሰቦምን መቕርቦምን ዝሰኣኑን ክሳብ ሎሚ ንቦይነግ ዘይኸሰሱን ኢትዮጵያውያን፡ ዝደለይዎ ጠበቓ ብምምራጽ፡ ክሲ እንተዘቕርቡ ዝሓሸ ከም ዝኸውን እቲ በዓል ሞይ ሕጊ ይዛረብ። ንቦይንግ ምኽሳስ ዝከኣል እቲ ሓደጋ ካብ ዝተኸሰተሉ እዋን ጀሚሩ ክሳብ ክልተ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ጥራሕ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ብዝደንጎዩ [ከሰስቲ] ቁጽሪ ድማ እቲ ጉዳይ እናተዘሓሓለን ከም ዝኸይድ ኣረዲኡ። መረዳእታታት እናደኸሙ ክኸዱ ስለዝኽእሉ ሓሳባቶም ብምጥርናፍ ግቡእ ዝኾነ ሕጋዊ ኣካይዳ እንተዝጅምሩ ይምዕድ። ባንግላደሽ፡ 15 ሽሕ መንበሪ ገዛውቲ ተቓጺሉ ኣብ ርእስ ከተማ ባንግላደሽ ዳካር፡ ከባቢ 15 ሽሕ ገዛውቲ ብምቅጻሉ ሓምሳ ሽሕ ሰባት ብዘይ መንበሪ ገዛ ከም ዝተረፉ ተገሊጹ። እዚ ቸላነቲካ ኣብ ዝተባህለ ሰፈር ድኻታት ዘጋጠመ ሓያል ባርዕ፡ ኣብ ንብረትን መንበሪ ኣባይቲ እቶም ድኻታትን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘውረደ ተሓቢሩ። ናሕሲ እቲ ገዛውቲ ብፕላስቲክ ዝተሰርሐ ብምንባሩ፡ እቲ ሓዊ ቀልጢፉ ክላባዕ ሓጊዝዎ። በቲ ሓዊ ብዙሓት ሰባት ክቖስሉ እንከለው፡ ኣብ ሂወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ግን የለን። ብዙሓት ነበርቲ እቲ ከባቢ ትሑት እቶት ዘለዎም ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝበዝሑ ሰባት በዓል ዒድ ኣልኣድሓ ከብዕሉ ናብ ካልእ ቦታታት ከይዶም ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ። እቲ ባርዕ ሓዊ፡ ብኸመይ ከም ዝተጀመረ ክሳብ ሕጂ ዝተወሃበ ሓበሬታ የለን። መጥፋእቲ ሓዊ፡ ነቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከእትውዎ ልዕሊ ሽድሽተ ሰዓት ከም ዝወሰደሎም ተፈሊጡ። መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብዘይ መዕቖቢ ተሪፎም ዘለው ሰባት፡ ሓገዝ ከም ዝገብረሎም ሓቢሩ'ሎ። ኣብ ወርሒ ለካቲት'ውን ኣብ ታሪኻዊ ዞባ ዳካር ብባርዕ ሓዊ ኣስታት 80 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝዝከር እዩ። ቦይንግ፡ ንግዳያት ሓደጋ ነፋሪት 737 ማክስ፡ 144,500 ዶላር ካሕሳ ክኸፍል'ዩ ስድራ ግዳያት ሓደጋታት ቦይንግ 737 ማክስ: ነብሲ ወከፍ 144,500 ዶላር ካሕሳ ካብቲ ኩባንያ ክወሃቡ እዮም። ኩባንያ ቦይንግ ቅድሚ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ንዝቐርቡ ክስታት ክቕበል ጀሚሩ'ሎ። ንቦይንግ ናብ ቤት ፍርዲ ከቕርቡ ይጓየዩ ካብ ዘለዉ መብዛሕቲኦም ጠበቓታት ስድራ ግዳያት ግን፡ ነቲ ፈንድ [ዝቐረበ ጠቕላላ 50 ሚልዮን ገንዘብ] ቅቡል ክገብርዎ ኣይከኣሉን። "144,000 ዶላር ንዝኾነ ስድራ ግዳይ ክኽሕስ ዝኽእል ተመጣጣኒ ገንዘብ ኣይኮነን" ይብል ን15 ስድራ ዝወከለ ጠበቓ ኖማን ሁስያን ካብ ቴክሳስ። ንስድራ ግዳያት ዘዕግብ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ድማ፡ ኩሎም ስድራ መልሲ ከም ዝጽበዩ ሓቢሩ። ነፈርቲ 737 ማክስ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዢያን ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚረን ካብ በረራ ምስተኣገዳ እየን። በቶም ክልተ ሓደጋታት ድማ ልዕሊ 340 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ኩባንያ ቦይንግ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ብሰንኪ'ቶም ሓደጋታት ንዝተሃሰዩ ስድራን ማሕበረሰብን ዝውዕል 100 ሚልዮን ዶላር መዲቡ'ዩ። እቲ ፍርቂ በቲ ሓደጋ ንዝተጸለዉ ማሕበረሰባት፡ ንትምህርትን ካልኦት ልምዓታዊ ፕሮግራማትን ክውዕል፡ ዝተረፈ ፍርቂ [50 ሚልዮን] ገንዘብ ድማ ብቐጥታ ንስድራ ግዳያት ዝኽፈል ከም ዝኸውን ሓቢሩ። ተኣማንነት ኩባንያ ቦይንግ ናብ ዝነበሮ ዝመልስ ጠለብ ነፈርቲ ማክስ-8 ኩባንያ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ (ብሪቲሽ ኤየር ወይስ)፡ 200 ማክስ-8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ንምዕዳግ ናብ መፍረ ነፈርቲ ኩባንያ ቦይንግ ጠለብ ኣቕሪቡ። እተን ዘመናውያን ተባሂለን ዝጥቀሳ ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶኖዥያን ዘጋጠመን ሓደጋ ካብ መጋቢት ጀሚረን ካብ በረራ ደው ኢለን ይርከባ። እዚ ጠለብ'ዚ ድማ ንኩባንያ ቦይንግ ካብቲ ብሰንኪ እቶም ሓደጋታት ኣትዩዎ ዝጸንሐ ቅልውላዉ ዘውጽእ ክኸውን'ዩ። እተን ነፈርቲ፡ እቲ ዘጋጠመን ቴክኒካዊ ጸገም ተፈቲሑ፡ ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ኣዋርሕ ናብ ንቡር ኣገልግሎተን ክምለሳ እምነት ከም ዘለዎ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ ገሊጹ። ቦይንግ፡ ንስርዓተ-መቆጻጸሪ ናይተን ነፈርቲ ንምዕራይ ሓድሽ ሶፍትዌር ኣብ ምምዕባል ይርከብ። ኣብቲ ኣብ መጋቢት ዘጋጠመ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኩሎም 157 ተጓዓዝቲ ከም ዝሞቱ ይዝከር። ሓሙሸተ ወርሒ ኣቐዲሙ'ውን ተመሳሳሊት ማክስ 8 ዝዓይነታ ነፋሪት ብምውዳቓ ካብቶም 189 ተጓዓዝታ ዝተረፈ ኣይነበረን። ሓደጋ ናይ ክልቲአን ነፈርቲ ተመሳሳሊ ብምንባሩ፡ቴክኒካዊ ጸገም ከም ዝለወን ክፍለጥ ከም ዝተኻእለን፡ ብሰንኩ ኩለን ካብ በረራ ደው ከም ዝብላ ኮይነን'የን። ኩባንያ ቦይንግ፡ ብሰንኪ'ዚ ከቢድ ነቔፈታ ኣስዒቡሉን፡ ጠለብ ናይተን ነፈርቲ'ውን ከም ዝጎድል ኮይኑን'ዩ። ቦይንግ 737 ማክስ ካልእ ጸገም ገጢሙዎ ኣሜሪካውያን ተቖጻጸርቲ ኣብቲ ፍርያት ቦይንግ ዝኾነ፡ ካብ በረራ ተኣጊዱ ዘሎ 737 ማክስ፡ ካልእ ጸገም ምርካቦም ተገሊጹ። በዓልመዚ ኣቭየሽን ፈደራል (ኤፍኤኤ) ፈተነታት ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ኩነታት፡ ዝርዝራቱ ዘይገለጾ፡ "ሓደጋ ናይ ምስዓብ ተኽእሎ ዘለዎ" ሽግር ከም ዝረኸበ ገሊጹ። እቲ ካብ ፍርያት ቦይንግ ብብዝሒ ዝተሸጠ ማክስ 737 ዝተብሃለ ኣይሮፕላን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ መንገድታት ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶኔዥያን ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋታት ካብ በረራ ተኣጊዱ ኣሎ። ኩባንያ ቦይንግ ንሶፍትዌር ናይቲ ኣይሮፕላን ምምሕያሻት ይገብር ከም ዘሎ ይግለጽ። በዓልመዚ ፈደራል ኣቭየሽን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ቦይንግ መፍትሒ ከናድየሉ ዘለዎ፡ ጉድለት ምርካቡ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ በዓልመዚ ፈደራል ኣቭየሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቦይንግ ኣብ 737 ማክስ ኣካይድዎ ዘሎ ምምሕያሻ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፡ ክጸድቕ ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ። በዚ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ፈተነ በረራ ክካየድ ተወጢኑ ነይሩ። ኣይሮፕላን 737 ማክስ ኣብ ከባቢ መስከረም ናብ ስራሕ ክምለስ፡ ብዙሓት ትጽቢት ገይሮም እኳ እንተነበሩ፡ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ካብ ስራህ ደው ኢሉ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ይግለጽ። ቦይንግ ብወገኑ ን 737 ማክስ ናብ ስራሕ ንምምላስን፡ ነቲ ናይ ሶፍትዌር ምዃኑ ዝገልጾ ጸገም ንምፍታሕን ምስ በዓል መዚ ፈደራል ኣቭየሽን ብቐረባ ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ። በዓልመዚ ፈደራል ኣቭየሽን ግና እቲ ጸገም ካብ ሶፍትዌር ወጻኢ እንተኾይኑ'ውን ክፍትሽ እዩ። እቶም መርመርቲ እቲ ናይ ሶፍትዌር ምምሕያሽ እኹል ኮይኑ ምስ ዘይረኽብዎ፡ ማይክሮፕሮሰሰር ምቕያር ከድሊ ከም ዝኽእልን እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝተወጠነ ዝያዳ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእልን ይግለጽ። እቲ ኣብ ልዕሊ ዋንነት ናይ መንገዲ ኣየር ኢትጵያን መንገዲ ኣየር ላየን ኢንዶነዥያን ዝኾና 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጢ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ፍልልይ እዩ ተኸሲቱ። ክልቲኡ ሓደጋታት ብምኽንያት ስርዓተ መቆጻጸሪ በረራ ዝሰዓበ ምዃኑ፡ ካብ ክልቲኡ ሓደጋታት ዝወጸ ኣፈናዊ ጸብጻብ የመልክት። በዓልመዚ ፈደራል ኣቭየሽን ብዘይ ግቡእ መርመራ ንማክስ 737 ናይ በረራ ፍቓድ ምሃቡ ይኽሰስ። ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ይግባእ" ክብል ተዛሪቡ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባንያኣ ዝቐርብ ዘሎ ወቐሳታት ናብ ካልእ ገጽ ንኽዘውር ትደልይ ከም ዘላ ዘርእይ ሓሳባት ይቐርብ ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ። ናይጀርያ 2,000 ታክሲታት ሞተር ብሽክለታ ኣዕንያ ኣብ ናይጀርያ ልዕሊ 2,000 ተሃጊረን ዝጸንሓ ከም ታክሲ ዘገልግላ ሞተር ብሽክለታታት ክዓንዋ ከምእተገብረ ተገሊጹ። እዚ ዝዀነ፡ እተን ብኦካዳ ዝፍለጣ ታክሲ ሞተር ብሽክለታ፡ ኣብ ሌጎስ - ዝዓበየት ከተማ ናይጀርያ ከይሰርሓ ድሕሪ ምእጋደን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓደ ሰብኣይ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብወንንቲ ሞተር ብሽክለታ ከምእተቐትለ ዝገልጽ ሓበሬታታት ድሕሪ ምውጽኡ ኣብ ህዝቢ ቁጥዐ ኣልዒሉ ነይሩ። ወዲ 38 ዓመት መሃንድስ ድምጺ ዝዀነ ሳንደይ ዴቪድ፡ ብሰንኪ ብክፍሊት ዝተላዕለ ዘይምስምማዕ እዩ ሌኪ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሌጎስ ተቐቲሉ። እቲ ቅትለት ቁጥዐ ከልዕል እንከሎ ሰበመዚ ስጉምቲ ክወስዱ ኣገዲዱ እዩ። በዓልቲ ቤቱ፡ ግሬስ ቦሉ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ንክልተ ደቃ ከመይ ከምእተዕብዮም ጨኒቕዋ ከምዘሎ ተዛሪባ። “ከመይ ኣቢለ እየ መምሃሪኦምን ክራይ ገዛን ክኸፍል?” ክትብል ሓቲታ። እቲ እገዳ ካብ ነበርቲ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ፈጢሩ’ሎ። ገሊኦም እቶም ሰብ-ሞተር ሓደገኛ ኣዘዋውራ ከምዘዘውትሩ ክዛረቡ እንከለው፡ ካልኦት ከኣ እተን ታክሲ፡ ንመንእሰያት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ኣገደስቲ ምንባረን ርእይቶኦም ይህቡ። እቶም ሰብ- ሞተርሳክል ሰብ ከምዝጨውዩ ዝዛረብ ነባሪ ኢከጃ ዋሲዩ ኣደኮያ፡ እቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ቅኑዕ ምዃኑ ይገልጽ። ነቲ ሃጓፍ ንምሽፋን ግን መንግስቲ ተወሰኽቲ ኣውቶቡሳት ከምጽእ ከምዘድሊ ይዛረብ። ካልእ ብፓስተር ኣብርሃም ክጽዋዕ ዝመረጸ ነባሪ ግን ምዝዋር ኦካዳ ንብዙሓት ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ጉዳይ ብህድኣት ክርአ ይምሕጸን። “ኣብዛ ሃገር ድኽነት ኣሎ። ምሉእ ብምሉእ ምእጋድ ምኽኑይ ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል፡ “ገሊኦም ነታ ዝበልዕዋ መግቢ በዛ መገዲ እዮም ዝረኽቡ፣ መንግስቲ ነዚ ይገንዘብ፡” ኢሉ። እቲ እገዳ ካብ 1 ሰነ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እቲ ኦካዳ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሳሉ ከባቢታት እታ ከተማ ጽምው ኢሉ ተራእዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ እገዳ ዝኣወጀ ኣመሓዳሪ ባባጂደ ሳንዎ-ኦሉ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ስጉምቲ ንምጕብዕባዕ ዘወርቲ ኦካዳ ዝገትእ ምዃኑ ገሊጹ። “ህይወት ሰብ መዓልታዊ ይጠፍእ፣ ክውገድ ዝኽእል ሓደጋታት መዓልታዊ የጋጥም፣ ዘወርቲ ኦካዳ ኸኣ ሕጊ ትራፊክ ኣየኽብሩን እዮም፡” ኢሉ። ዘወርቲ ኦካዳ ኣብታ ብብዝሒ መካይን ዝተጨናነቐት ከተማ ብፍጥነቶም ፍሉጣት እዮም። ንሳቶም፡ ካብ 2016 ክሳዕ 2019 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ 10,000 ሓደጋታትን 600 ሞትን ከምዝሰዓቡ መንግስታዊ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጽርጊያታት ካብ ዘጋጠመ 20,595 ግጭት፡ እቲ ልዕሊ 20% ናይ ሞተር ብሽክለታ እዩ ነይሩ። ባንግላደሽ፡ ኣብ ሓንቲ መርከብ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 37 ሰባት ቀቲሉ ኣብ ባንግላደሽ ኣብ ሓንቲ ህዝቢ እተማላልስ መርከብ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 37 ሰባት ከምዝሞቱን ካልኦት 100 ከምዝቖሰሉን ሰበስልጣን ሓቢሮም። እታ ሰለስተ ደርብታት ዘለዋ መርከብ፡ ካብ ርእሰከተማ ዳካ ተቢጊሳ ናብ ከተማ ባረጉና እናተጓዕዘት እንከላ'ያ ኣብ ፍርቂ መንገዲ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ። ገለ ካብቶም ግዳያት፡ ካብታ መርከብ ዘሊሎም ኣብ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ጸብጻባት ሓቢሮም። ካብቶም ኣካላቶም ዝነደደ ብኸቢድ ዝቖሰሉ ስለዘለዉ፡ ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት። እታ መርከብ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ ኣስታት 500 ሰባት ጽዒና ምንባራ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም። እቲ ፈለማ ኣብ ሞተረ ናይታ መርከብ ዝተወልዐ ባርዕ ቀልጢፉ ናብ ካልእ ክፋላ ስለዝለሓመ፡ ዓቢ ጉድኣት ከውርድ ከምዝኸኣለ፡ ብዓልመዚ መጥፋእቲ ሓዊ ዝኾነ ካማል ሑሴን ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪቡ። እቲ ባርዕ ንሰዓታት ከምዝጸንሐ'ውን ተፈሊጡ። ሓንቲ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነት ብዕድመ ዝደፍአት ተጓዓዚት ንኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ከምዝሓበረቶ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝበዝሑ ካብቶም ተጓዓዝቲ ደቂሶም'ዮም ነይሮም። "ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ፡ ኣብ መንጸፍ ደቂስና ነይርና። ዝበለት እታ ሰብ፡ "ወዲ 9 ዓመት ወዲ-ወደይ፡ ናዪም፡ ምሳይ ነይሩ፡ ደሓር ዘሊሉ ናብቲ ፈለግ ኣትዩ። እንታይ ከምዝኾነ ኣይፈለጥኩን ዘለኹ" ክትብል ተዛሪባ። ምስ ኣቦኣ፡ ሓፍታን ወዲ 6 ወርሒ ወዲ-ሓፍታን ትጓዓዝ ዝነበረት ካልእ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነት ብወገና፡ እቲ ወዲ ሽዱሽተ ወርሒ ህጻን ሃለዋቱ ከምዘይተፈልጠ ገሊጻ። "እቲ ባርዕ ምስ ተወልዐ፡ ንሓደ ሰብኣይ ሂበዮ። ከድሕኖ ይጽዕር ነይሩ። ሕጂ ግን ክንረኽቦም ኣይክኣልናን" ኢላ። ቅድሚ'ቲ ባርዕ ሓዊ ምውልዑ እታ ጃልባ ናይ ሞተረ ጸገም ዘለዋ ትመስል ከምዝነበረት'ውን ሓደ ካብ ተጓዓዝቲ ኣተንቢሁ። እቲ ባርዕ ምስተጀመረ ግን፡ ብትኪ ከምዝተዓብሎኸት ጠቒሱ። "መሳኹቲ ናይታ ጃልባ መጋረጃታት ስለዝነበሮ ነቲ ትኪ ሒዝዎ" ድማ ይብል። ጠንቂ ናይቲ ባርዕ ንምጽራይ ሓደ መርማሪ ጉጅለ ከምዝቖመ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ። እታ ትኸዳ ዝነበረት ከተማ ባርጉና ካብ ርእሰ ከተማ ዳካ 250 ኪሜ ርሒኻ እትርከብ'ያ። ኣብታ ብጻዕቂ ህዝባ እትፍለጥ ሃገረ ባንግላደሽ ሓደጋታት መርከብ ንቡር ተርእዮ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ብዝሒ ተጓዓዝቲ፡ ስእነት ክንክንን ትሑት ደረጃ ውሕስነትን ከምዘጋጥሙ ይግለጽ። መብዛሕትኡ እዋን፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ጃላቡ ክጥሕላ ይራኣያ። ኣብ ሰነ 2020፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ብናይ ጃልባ ሓደጋ ኣብ ከባቢ ከተማ ዳካ ሞይቶም ምንባሮም ይዝከር። ኣስታት 30 ሚእታዊት ካብቲ 170 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ባንግላደሽ፡ ብናይ ኣፍላጋት መስመራት ከምዝጓዓዝ ይፍለጥ። ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ፡ ዓሰርታት ባሕረኛታት መውጽኢ ስኢኖም ትማሊ ሰንበት ብምኽንያት ማዕበል ኣብ ዝጠሓለት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ታይላንድ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ባሕረኛታት መውጽኢ ስኢኖም ከምዘለዉ ተገሊጹ። ኣብታ መርከብ ልዕሊ 100 ባሕረኛታት ከምዝነበሩ ሰብመዚ ዝገለጹ ኰይኖም፡ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ 28 ባሕረኛታት ተቐርቂሮም ኣለዉ። ዛጊት ዝበጸሐ ጉድኣት ብዛዕባ ምህላዉ ኣይተገለጸን፤ ሰለስተ ሰራሕተኛታት እታ መርከብ ግን ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኵነታት ኣለዉ። እታ ኣብ ሓለዋ ዝነበረት መርከብ፡ ማይ ስለዝኣተዋን ናይ መቈጻጸሪ ክፍሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዝጠፍአን ከምዝጣሓለት እዮም ሰብመዚ ዝገልጹ። እቶም ሰራሕተኛታት ነታ መርከብ ንምቍጽጻር ጻዕሪ'ኳ እንተገበሩ፡ ካብ ምጥሓል ግን ኣይደሓነትን። ሓይሊ ባሕሪ ታይላንድ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖም ምስልታት፡ ጀልባታት ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ብማዕበል ዝሕመስ ማያዊ ኣካል፡ ሰባት ንምድሓን እንትእልሻ የርእይ። ሰለስተ መራኽብን ሄልኮፕተራትን ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኻ ክግለጽ ከሎ፡ ካብቶም ኣብታ መርከብ ዝጸንሑ 106 ሰባት ነቶም 78 ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ። ሰለስተ ኣብ ጽኑዕ ኵነታት ዝርከቡዎም 28 ወታሃደራት ንምድሓን ሐዚ እውን ጻዕሪ ከምዝቐጸለ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ። እቶም ሰባት ሕዚ እውን ኣብ ውሽጢ ማይ ከምዘለዉ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ይገልፅ። ብትኽክል ዝርከቡሉ ቦታ ተፈሊጡ እንተኾይኑ ግን ኣይተገለጸን። ነቶም ሰባት ንምርካብ ምሉእ ለይቲ ኣለሻ ከምዝቐጸለ እዮም ሰብመዚ ዝገልጹ። ኩዕሶ እግሪ፡ እንግሊዘዊት ክለብ ሊቨርፑል ናብ ፍጻመ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ በጺሓ ኣብቲ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ካልኣይ እግሪ ፍርቂ-ፍጻመ ዝሰዓረት እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል፡ ኣብ ክልቲኡ እግሪ ብዘመዝገበቶ ሸቶታት ናብ ፍጻመ በጺሓ። ሊቨርፑል፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ጥራይ ንሳልሳይ ግዚኣ'ያ ናብ ፍጻመ ትበጽሕ ዘላ። ኣብቲ ብሰሉስ ምሸት ምስ ስጳኛዊት ክለብ ቪላሪያል ዝነበራ ጸወታ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ፡ ክልተ ሸቶታት ኣትዩዋ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘይልሙድ ድኽመት ጸወታ ምርኣያ ዘገርም'ዩ ነይሩ። ኣብ ሜዳኣ (ኣንፊልድ) ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ግጥም፡ ብክልተ ሸቶታት መሪሓ ምምጽኣን ህሉው ቁመንኣን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ እግራ ናብ ፍጻመ ኣምሪሑ'ሎ ተባሂሉ ክንገረላ'ዩ ቀንዩ። እንተኾነ ተጻወቲ ቪላሪያል ኣብ ሜዳኦም፡ ብሓያል ነውጺ ደገፍቶምን ተሰንዮም፡ ኣብተን ቀዳሞት 45 ደቓይቕ፡ ነቲ ናይ ሊቨርፑል ናይ ሸቶ ብልጫ ብምድምሳስ፡ ናብ መድረኽ ጃላነት ክበጽሑ ኪኢሎም። ቀዳመይቲ ሸቶ ጸወታ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ መበል ሳልሳይ ደቒቕ'ዮም ኣመዝጊቦም። ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል፡ ጀርመናዊ የርገን ክሎፕ፡ ነቶም ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ከምዝጠፍኦም ኣብ ጸቕጢ ዝኣተዉ ተጻወቱ፡ ብምንቕቓሕ ንቡር ጸወታኦም ክቕጽሉ ማዕዳን ትእዛዝን ሂብዎም። ቅድሚ ዕረፍቲ ዘርኣይዎ ጸወታ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ካብ ዘርኣይዎ እቲ ዝኸፍአ'ዩ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ። ድሕሪ ዕረፍቲ ግን፡ ዋላ'ኳ ቀልጢፎም ሸቶታት እንተዘየመዝገቡ፡ ናብ ምርግጋእን፡ ንቡር ሜላ ጸወታኦምን ተመሊሶም፡ ንሜዳ ክቆጻጸርዎ ጀሚሮም። ኣብ መበል 62 ደቂቕ ከኣ ሊቨርፑል ብመንገዲ ተጸዋታይ ማእከል ብራዚላዊ ፋቢንሆ ታቫረስ ሸቶ ኣመዝጊባ፡ ብድምር (ናይ ክልተ እግሪ) 3 ብ 2 ክትመርሕ ጀሚራ። ኣብ መበል 67 ደቒቕ'ውን ብመንገዲ እቲ ድሕሪ ዕረፍቲ ተቐዪሩ ዝኣተወን ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮን ኣጥቅዓይ ሊቨርፑል ኮሎምቢያዊ ሉዊስ ዲያዝ ራባዓይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ጸወታ ብድምር 4 ብ 2 ቀጺሉ። ዲያዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ'ዩ ናብ ሊቨርፑል ተሰጋጊሩ። ሰኔጋላዊ ኣጥቃዓይ ሳድዮ ማነ ኣብ መበል 74 ደቒቕ ንሊቨርፑል ናይታ ምሸት ሳልሰይቲ ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ ድማ ኩነታት ናይታ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ምክልኻል ጥራይ ዝተደረተት ቪላሪያል ከምዘብቅዐ ዝሕብር ነበረ። በዚ ድማ ሊቨርፑል ኣብ ናይ ክልቲኡ እግሪ ግጥማት 5 ብ 2 ብምስዓር ናብ ግጥም ዋንጫ መን ወሰደ ከትሓልፍ በቒዓ'ላ። እታ ዛጊት 6 ዋንጫታት ቻምፕዮንስሊግ (ሊግ ኣውሮጳ ክብሃል እንከሎ ኣትሒዛ) ዓቲራ ዘላ ሊቨርፑል፡ ኣብ ዓመተ-ውድድር 2018-19 ናብ ፍጻመ ኣብ ዝበጽሓትሉ ብሪያል ማድሪድ ተሳዒራ ወዲኣ። እንተኾነ ግን ኣብ ዝቐጸለ ዓመተ-ውድድር 2019-20 ናብ ፍጻመ ብምብጻሕ ንእንግሊዛዊት ክለብ ቶተንሃም ብምስዓር ነታ ዋንጫ ዓቲራታ። ሊቨርፑል፡ ምስታ ሎሚ ምሸት ኣብ መንጎ እንግሊዛዊት ማንቸሰተር ሲቲን ሪያል ማድሪድን ኣብ ዝካየድ ካልኣይ ጸወታ ፍርቂ-ፍጻመ ዝሰዓረት ክለብ ንዋንጫ ክትጋጠም'ያ። እቲ ሕቶ፡ ኣብቲ ንዕለት 28 ግንቦት ዝካየድ ግጥም ዋንጫ መን ወሰደ፡ ሲቲ ድያ ክትህሉ ማድሪድ ዝብል'ዩ? ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ነታ ዛጊት 13 ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ኣብ ከብሕታታ ኣስፊራ ዘላ ዓርሞሸሽ ክለብ ሪያል ማድሪድ 4 ብ 3 ትመርሓ'ኳ እንተላ፡ ሎሚ ማድሪድ ኣብ ሜድኣ ከትጻወት ስለዝኾነት እንታይ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ፡ ክረአ'ዩ። ክብረወሰናት ትሰብር ዘላ ሊቨርፑል ሊቨርፑል ናብ ፍጻመ ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ ምሕላፋ፡ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ (ኢንግላንድ) ሓድሽ ክብረወሰን ክትጓናጸፍ ኣኽኢሉዋ'ሎ። ንፈለማ እዋን፡ ኣብ ሓደ ዓመተ-ውድድር ናብ ፍጻመ ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ፡ ዋንጫ ኤፍ-ኤ ከምኡ'ውን ብሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ዋንጫ ካራቦ ዝበጽሐት እንኮ እንግሊዛዊት ክለብ ኮይና'ላ። ሊቨርፑል፡ ኣብቲ ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዋንጫ ኤፍ-ኤ ንምዕታር'ውን ንፍጻመ ሓሊፋ'ላ። ኣብ ዝመጽእ 14 ግንቦት ንመጋጥምታ ቸልሲ እንተሲዒራ ድማ፡ ካልኣይቲ ዋንጫ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ኣብ ከብሕታታ ክትውንን'ያ። መዓስ እዚ ጥራይ፡ እታ ብሓደ ነጥቢ ትቕድማ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ከም ገለ ዘልሓጥ እንተኢላ፡ እሞ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ናይዚ ዓመት'ውን ክትወስድ እንተኺኢላ፡ ሓድሽ ክብረወሰን ክትሕዝ ትጽቢት ይግበረላ። ድሮ፡ ብግዜ ክዕቀን እንከሎ፡ ኣብ ሓደ ዓመተ-ውድድር ኣርባዕተ ዋንጫ ክትዕወት ዝሓሸ ዕድል ብምምዝጋባ'ውን ክረብወሰን ሒዛ'ላ። ካልኦት ጋንታታት ተመሳሳሊ ዕድላት'ኳ እንተነበረን፡ ካብ ባሕቲ ግንቦት ዝሓልፍ ኣይነበረን። ሲቲዶ ማድሪድ? እታ ንፈለማ እዋን ዋንጫ ቻምፕዮንስሊግ ንምዕታር ትወናወን ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ኣብ ሜድኣ 4 ብ 3 ብምስዓር፡ ሎሚ ዓመት ኣከታቲላ ናብ ፍጻመ ንምሕላፍ ብተዛማዲ ዝልዓለ ኢድ ሒዛ እያ ናብ ሜዳ ትኣቱ ዘላ። ዓሚ ኣብ ፍጻመ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ብቸልሲ 1 ብ 0 ዝተሰዓረት ሲቲ ነታ 13 ግዜ ንቻምፕዮንስ ሊግ ዝተዓወተትሉ ርያል ማድሪድ እትገብሮ ግጥም ካብ ሜድኣ ወጻኢ ብምዃኑ ቀሊል ክኸውን ከምዘይክእል እዩ ብኣግኡ ተገሚቱ ዘሎ። ብሰንኪ መጉዳእቲ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ጸወታታት ምስ ማንቸስተር ሲቲ ዘይተሰለፈ እንገሊዛዊ ተኸላኻላይ ከይል ዎከር ሓውዩ ሎሚ ክስለፍ ምዃኑ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ፔፕ ጋርድዮላ ምሕባሩ ንቡዙሓት ደገፍቲ ቅሳነት ፈጢሩ ኣሎ። ብወገን ርያል ማድሪድ ተኸላኻላይ ዴቪድ ኣላባ ካብ መጉዳእቱ'ኳ እንተዘይሓወየ፡ ኣከፋፋሊ እታ ጋንታ ካሰሜሮ ምሉእ ንምሉእ ሓውዩ ሎሚ ክስለፍ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ፕሪመር ሊግ ብሓንቲ ነጥቢ ካብ ሊቨርፑል ተፈንቲታ ንሰሌዳ ብ83 ትምርሖ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ፡ ነቲ ኣርባዕተ ጸወታታት ቲፍዎ ዘሎ ፕሪመርሊግ ሎሚ ዓመት እንተተዓዊታትሉ ኣብ 11 ዓመት ሻዱሻይ ግዜ፡ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ጓርድዮላ ኸኣ ራብዓይ ዓወት ፕሪሜርሊግ ኮይኑ ክምዝገበላ'ዩ። እቲ ንባርሲሎና እናኣሰልጠነ ክልተ ግዜ ንቻምፕዮንስ ሊግ ዝተዓወተሉ ጓርድዮላ፡ ነቲ ዓሚ ብቸልሲ ዝተመንጠሎ ዓወት ሎሚ ዓመት ክድበሶ እንተኾይኑ፡ ሎሚ ምሸት ንርያል ማድሪድ ስዒሩ ኣብ ፕሪሜርሊግ ጠቢቓ ትስዕቦ ዘላ ሊቨርፑል ገጢሙ ክስዕር ኣለዎ። ብቀዳም ንእስጳኞላ 4 ብ 0 ስዒራ ንመበል 35 ዘውዲ ዓወት ላሊጋ ዓቲራ ዘላ ማድሪድ፡ ናብዚ ሎሚ ኣብ ሜድኣ እትገብሮ ጸወታ ዋላድኣ ብሸቶ ትመራሕ'ምበር ምስ ፍናና እያ ክትኣቱ። ነቲ እንኮ ንሊግ ዓዲ እንግሊዝ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ዓዲ ጣልያንን ስጳኛን ዝተዓወተሉ ኣሰልጣኒ ርያል ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲ ኣብ ሜድኡ ንማንቸስተር ሲቱ ዘለዎ ናይ ጎል ዕዳ ኣሕውዩ ርእሳ እንተኣድኒንዋ ኣብ ልዕሊ ሽሮ ጠስሚ ክኾነሉ'ዩ። ላይቤሪያ፡ 50 ሽሕ ዶላር ናብ ዋንኡ ብምምላሱ ህይወቱ ዝተቐየረ ኣማኑኤል ዛንታ ተጓንፎ ላይበርያዊ ኣማኑኤል ቱሎ፡ ዘመናዊ ጽውጽዋይ እዩ ዝመስል። እቲ ወዲ 19 ዓመት በጽሒ፡ ደንቢ ልብሲ ቤት ትምህርቲ ተኸዲኑ፡ ምስቶም ካብኡ ብውሕዱ ብሽዱሽተ ዓመት ዝንእሱ ህጻናት ክመሃር እንከሎ ክትርእዮ ብዅሉ መዳዩ ግርንቢጥ እዩ ዝመስል። እቲ ሓደ ግዜ ኣብ መባእታ ምስ በጽሐ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ዝነበረ መንእሰይ ግን፡ ሕጂ ኣመና ሕጕስ እዩ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብራኡ ንምምራሕ ብሞተር-ሳይክል ታክሲ እናሰርሐ ላዕልን ታሕትን ክብል እንከሎ 50 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ምስ ገለ ባጤራ ላይበሪያ ተሓዊሱ፡ ኣብ ጎማ ተጠቕሊሉ ጸግዒ ሓደ ጐደና ተደርብዩ ረኸበ። ንሱ፡ ነቲ ህይወት ክቕይር ዝኽእል ዝነበረ መጠን ገንዘብ ኣልዒሉ ኣብ ጁባኡ ከእትዎ ቀሊል ነይሩ። እንተዀነ፡ ዋና እቲ ገንዘብ ብራድዮ ላይቤርያ ቀሪቡ 'ዝረኣየ እንተሎ' ክሳብ ዝብል፡ እቲ ገንዘብ ምስ ኣሞኡ ብሓደራ ኣቐመጦ። ኣማኑኤል ሽዑ፡ በዚ ተግባሩ 'ብድኽነት ክመውት ኢኻ' እናተባህለ መስሓቕ ሰብ ኰነ። ሰናይ ተግባሩ ግን ኣብቲ ዝኸበረ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምሃር ዕድል ከይተረፈ ጻመዮ። ፕረዚደንት [ላይበሪያ] ጆርጅ ዊሃ፡ 10 ሽሕ ዶላር ክህቦ እንከሎ፣ ወናኒ ሓንቲ ማዕከን ዜና'ውን ገንዘብ ሂብዎ። ዋና'ቲ ዝተረኽበ ገንዘብ ድማ ዋጋ 1500 ዶላር ንብረት ዓደገሉ። ኣብ ርእሲኡ ግን፡ ምናልባት'ውን ካብ ኩሉ ዝዓዘዘ ክኸውን ዝኽእል ሓንቲ ኮሌጅ ኣሜሪካ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ ምሉእ ነጻ ዕድል ትመህርቲ [ስኮላርሽፕ] ክትህቦ ምዃና ቃል ኣተወትሉ። 'ምስትምቓር ኣካዳምያዊ ስነ ምግባር' ንሱ ኣብቲ ቅድሚ 135 ዓመት፡ ንደቂ'ቶም ሓራ ዝዀኑ ገላዩን ነታ ሃገር ዝመስረቱን ልሂቃን ላይቤርያውያን ተባሂሉ ዝተመስረተ 'ሪክስ' ዝተባህለ ብሉጽ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኰይኑ ብዕቱብ ኣብ ትምህርቱ ኣድሂቡ ዘሎ። እዚ ክልተ ዝደርቡ ህንጻ፡ ኣብ ሓደ ምልኩዕን፡ 6 ኪሎ ሜትር ካብ ገማግም ውቅያኖስ ኣትላቲክ፡ ኣብ ሓደ ናይ ምሾት ስፍራ ዝተደኰነ ቤት ትምህርቲ እዩ። "ሕጂ፡ ትምህርቲ ብግቡእ'የ ዘስተማቕሮ ዘለኹ፣ ኣብ ሪክስ ይመሃር ስለ ዘለኹ ዘይኰነ ግን፡ ብሳላ ኣካዳምያውን ሞራላውን ስነ ምግባር እዩ" ይብል ኣማኑኤል። ኣማኑኤል፡ ከም ኵሎም ካብ ድኻ ገጠራት ዝመጽኡ ላይበርያውያን፡ ሰሪሑ ስድራቤቱ ንምሕጋዝ ኣብ ትሽዓተ ዓመቱ'ዩ ትምህርቱ ከቋርጽ ዝተገደደ። እዚ ኸኣ ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ኰይኑ፡ ምስ ኣሞኡ ክነብር ናብ ከተማ ኣተወ። ኣብ ክልተ ዓመቱ፡ ሞተርሳይክል ሒዙ ኣብ ስራሕ ታኽሲ ተዋፈረ። ድሕሪ'ዚ ነዊሕ ብኵራት ካብ ትምህርቲ፡ ኣብ ትምህርቲ ንምዕዋት ዓቢይ ሓገዝ ይደሊ። ፈለማ ኣብ ሻድሻይ ክፍሊ ምስ ተመዝገበ፡ "ቅሩብ ስምዒት ትሑትነት ይስምዖ ነይሩ፡ ኣብ ክፍሊ ዓው ኢሉ ዳርጋ ኣይዛረብን ነይሩ፣ ደሓር ግን ቀስ ብቐስ ከመሓይሾ ክኢሉ" ብምባል ሓላፊ ክፍሉ መምህር ቶምጋ ባምጋቦር ንቢቢሱ ገሊጹ። "ብኣካዳሚያዊ መዳይ ድኽም ዝበለ እዩ ነይሩ፣ በዚ እንህቦ መደባት ሓገዝ ግን ቀስ ብቐስ ክመሓየሽ ክኢሉ እዩ። ካልኣይ ደረጃ ንኽውድእ ገለ ሽዱሽተ ዓመት ይተርፎ'ሎ፣ ካባና ተመሪቝ ክወጽእ እንከሎ ድማ ወዲ 25 ዓመት ኣቢሉ ክኸውን እዩ። ንሱ ግን፡ ነቲ ምስ መማህርቱ ዘለዎ ጋግ ዕድመ ግዲ ኣይገብረሉን እዩ፤ ከም ኣዕሩኽቱ እዩ ዝርእዮም" ኢሉ። ኣማኑኤል ነቲ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘሕልፎ ናብራ፡ ኣብ መጻኢ ብነብስኻ ንኽትነብር ዝሕግዝ ጽቡቕ ተመክሮ ህይወት ገይሩ እዩ ዝርእዮ። ንጥንቁቕ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ሃገር ኣበርክቶ ክገብር ብምሕላን፡ ኣብ መጻኢ፡ ዩኒቨርሲቲ ኣካውንቲንግ ከጽንዕ ከም ዝደሊ እዩ ዝገልጽ። እዚ ራእይኡን ቅንዕናኡን ከኣ፡ ብልሽዋናን ምጥፍፋእን መዓልታዊ ዝውረየላ፣ ሰበስልጣናታ፡ ሃብቲ ሃገር ብምዝራፍ ወግሐ ጸብሐ ዝኽሰሱላን ሃገር፡ ከም ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዝግለጽ። ኣማኑኤል፡ ነቶም ንዝረኸቦ ገንዘብ ናብ ዋናኡ ብምምላሱ ዝቕይዕሉ ዝነበሩ ሰባት ዘኪሩ፡ እቲ ገንዘብ ነባራዊ ኩነታቱ ንምምሕያሽ ክጥቀመሎ ይኽእል እኳ እንተነበረ፡ "ነቲ ሕጂ ረኺበዮ ዘለኹ ዕድላት ግን ኣይምኸፈተለይን፡" ይብል። "ነዚ ንዘብቅዓኒ ፈጣሪን፣ ነቶም ቅንዕና ዝመሃሩኑ ወለደይን አመስግን። ንንኣሽቱ መንእሰያትን ድማ ሓቀኛ ምዃን ጽቡቕ እዩ፣ ዘይናትካ ኸኣ ኣይውሰድን እዩ" ኢሉ። ኣብ ሪክስ ዘለው መማህራን፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ተመሃራይ ምርካቦም ዘለዎም ኣድናቘት ይገልጹ። "እዛ ቤት ትምህርቲ ካብቲ ዘለዎ ቅኑዕ ባህሪ ጥራይ ኣይኰነትን ከሲባ፣ ኣብ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ቤት ትምህርትና'ውን ተቐያሪ ሓላው ልዳት እዩ።" ክብል መምህር ባንግቦር ይዛረብ። መማህርቱ'ውን ምስኣቶም ክመሃር ሕጕሳት ምዃኖም ይገልጹ። ቤተለን ኬሊ ዝተባህለ ወዲ 11 ዓመት ተመሃራይ፡ "ምስኡ ዝዀነ ክንካፈል እንደሊን እንግደሰሉ፣ ህዱእ፡ ብዙሕ ዘይዛረብ፣ እሙን፡ ሓቀኛን መኽበሪን ዝዀነ ዓቢይ ብጻይ እዩ፡" ክብል ይገልጾ። ካሌብ ኩፐር ዝተባህለ ወዲ 12 ዓመት ብወገኑ፡ ንባህሪያት ኣማኑኤል ኣብ ክፍሊን ዶርሚቶሪን [መደቀሲ] የድንቕ። "ካብ ኣዕሩኽቱ ዝዀነ ኣይሰርቕን እዩ፡" ከኣ ይብል እናሰሓቐ። "ዝዀነ ነገር እንተረኺቡ፡ ንመምህር እዩ ዝነግር፤ መምህር እንተዘይጸኒሕዎ ድማ ኣብታ ጠረጴዛ ኣቐሚጥዋ ይኸይድ፡" ይብል። መሳርሕቱ ዝነበሩ ታኽሲስታት'ውን በቲ ዝጓነፎ ዕድላት ሕጕሳት እዮም። ንነዊሕ እዋን ዝከታተሎ ዝነበረ፡ ወዲ 30 ዓመት ላውረንስ ፍለሚን፡ ብዛዕባኡ ንቢቢሲ ክገልጽ እንከሎ፡ " ኣማኑኤል ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ ምኽኣሉ ንፈጣሪ ነመስግን" ይብል። ኣብታ ስርሓት ቻይና ዝዀነት ከም ታኽሲ ዝሰርሓላ ቦክሰር ዝዓይነታ ሞተር ሳይክሉ ኰይኑ ኸኣ ምኽሩ ይህብ። "ንመጻኢኡን ንመጻኢ ደቁን ኣብ ትምህርቲ ክጸቅጥ ኣለዎ፣ ንሱ ነቲ ገሊአና ዘይረኸብናዮ ዕድል ረኺብዎ'ሎ" ኢሉ። ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ሽግር መጓዓዝያ ይፈትሓ'ዶ ይኾና? ዋላ ኩለን መካይን ብኤለትሪክ ከምዝሰርሓ እንዝተገብራ'ውን፡ ቁጽሪ መካይን ምንካይ ከም ዘድሊ ሓደ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ምጥቃም ዕልቕልቕ መካይን ኣብ ጎደናታት፡ ጸገም ምስፍሕፋሕ ከተማታትን ሕጽረት መጸግዒ/መዓሸጊ መካይን ኣይክፈትሕን`ዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣጠንቂቑ። ጸብጻብ ናይ ማእከል ምርምር ጸዓትን መፍትሒ ጠለባትን (CREDS)፡ መንግስቲ ህዝቢ መኪና ከየድለየቶ ጽቡቕ መነባብሮ ክነብርሉ ዝኽእሉ ባይታ ክፈጥር ጸዊዑ። CREDS ኣብ ምልእቲ ብሪጣንያ ካብ ዝርከባ ልዕሊ 80 ኣካደማውያን ማሕበራት ዝተዋጽኡ ምሁራት ዝኣባላቱ ማሕበር`ዩ። መንግስቲ ድማ ብእግሪን ብብሽክለታን ምጓዓዝ ንምትብባዕ ክልተ ቢሊዮን ፓውንድ ወጻኢ ይገብር ከምዘሎ ኣፍሊጡ። መገድታት ንምምሕያሽ ድማ 50 ቢሊዮን ፓውንድ ከውጽእ መደብ ከምዘለዎ`ውን ገሊጹ`ሎ። ነቐፍቲ እቲ መንግስቲ ግን፡ ምውናን ብዙሓት መካይን ብውልቀሰባት ንዘስዕቦ ማሕበራዊ ጸገም ንምፍታሕ ዕቱብ ውጥን የብሉን ኢዮም ዝብሉ። "ምጥቃም መካይን ኣዝዩ ከቢድ ጸሊም ነቑጣ ኣብ ፖሊሲ መንግስቲ`ዩ" ትብል ሓንቲ ካብ`ቶም ኣዳለውቲ ናይ`ቲ ጸብጻብ ዝኾነት ፕሮፌሰር ጂሊያን ኣናበል። "ንብዙሕ ዓመታት ሚኒስተራት ንጠለብ ምውናን መካይን: መገድታት ብምስፋሕ ከማልእዎ ፈቲኖም። "ኣብ ክንዲ ከምኡ ምግባር ግን ጠለብ ክቕንሱ ኣለዎም" ድማ ትብል። እቶም ኣብ መካይኖም ዝምርኮሱ ሰባት`ከ እንታይ ይኹኑ? ኣዳለውቲ ናይ`ቲ ጸብጻብ ወትሩ ኣብ መካይኖ ዝምርኮሱ ሰባት ኣለዉ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ገጠራትን ወሰናስን ናይ ከተማን ዝነብሩ ኢሎም። እንተኾነ ግን ብዙሓት መንእሰያት መኪና ክገዝኡ ኣይመርጹን ዘለዉ ይብሉ። ኣብ ክንዲ መኪና ምግዛእ ብእግሮም፡ ብብሽክለታ፡ ብህዝባውያን መጓዓዚያታት፡ ብታክሲን ክጓዓዙ ይመርጹ፡ ኣድላይ እንተኾይኑ ድማ መኪና ይካረዩ። እዚ ብዙሕ ምንቅስቓስ ኣካላት ዘለዎ ኣገባብ ጉዕዞ ምዝውታር ማለት ድማ ውሑድ ክስዐ፣ ውሑድ ብከላ ኣከባብን ሓደጋ ትራፊክን ማለት ክኸውን እንከሎ፡ ብኻልእ መዳይ ድማ ሰባት ካብ ገዛ ንስራሕ ካብ ስራሕ ንገዛ ኣብ ዝመላለስሉ እዋን ምስ ጎረባብቶም ናይ ምርኻብ ዕድል ስለዝፈጥረሎም ዓቢ ማሕበራዊ ምትሕውዋስ የተባብዕ። መጸግዒ/መዓሸጊ መካይን`ውን ስለዘየድሊ፡ እቲ ንዕኡ ተባሂሉ ዝሕዛእ ቦታ መንበሪ ኣባይቲ ክትሃንጸሉ ወይ ጀርዲን ክትገብሮ ትኽእል። መንግስቲ፡ ሰባት ኣብነት ናይ`ዞም መንእሰያት ብምኽታል ንኻልኦት ኣብነት ክኾኑ ከተባብዖም ኣለዎ ይብሉ እቶም ኣዳለውቲ ናይ`ቲ ጸብጻብ። "መጠን ምውናን መኪና ብዘይካ ኣብ`ቶም ልዕሊ 60 ዓመት ዘለዉ ሰባት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ትሕቲኡ ዘለዉ ሰባት ኣብ ዘለዎ ደው ምባሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ`ዩ" ትብል ፕሮፌሰር ኣናበል። "መንግስቲ ነዚ ዕድል`ዚ ክጥቀመሉን ከማዕብሎን ኣለዎ" ድማ ትብል። ሰባት ብዘይ መኪና ክነብሩ ብኸመይ ንሕግዞም? መካይን 98 ሚእታዊት ናይ ዕድሚኤን ተዓሺገን/ተጸጊዔን ስለዘሕልፍኦ፡ ሓደ ሲሶ ካብ`ኣተን ድማ መዓልታዊ ካብ ገዛ ከይወጻ ስለዝውዕላ ምውናን መኪና ብኽነት`ዩ ትብል ንሳ። "ሓንሳብ መኪና ምስወነንካ፡ ዋላ ኣብ ሓጺርን ዘይጠቅምን ጉዕዞ ክትጥቀመላ ናይ ምድላይ ድሌታት ይህልወካ። እንተኾነ ግን ኣዝዩ ክቡር ወፍሪ`ዩ። ሰባት መኪና እንተዘይወኒኖም፡ እቲ ኣብ`ኣ ዝጠፍእ ገንዘብ ኣብ ካልእ መዓላ ከውዕልዎ ይኽእሉ" ትብል ንሳ። "መብዛሕትኡ እዋን ሰባት ብዘይ መኪና ምንባር እንተጀሚሮም፡ ብዓንቶብኡ`ውን ንምታይ መኪና ከምዝገዝኡ ክግረሙ ይጅምሩ፡ ምኽንያቱ መኪና ብዙሕ ዋጢጥ`ዩ ዘለዋ"። ሚኒስተራት ብዝተኻእለ መጠን ንጉዕዞ እግሪ፣ ብሽክለታ፣ ህዝባዊ መጓዓዚያታትን መኪና ተኻፊልካ ምጥቃምን ቀዳምነት ክህብዎ ኣለዎም ትብል። ዞባውያን ምምሕዳራት ብዘይ መኪና ብቐሊሉ ክትበጽሖም እትኽእል ኣባይቲ ንኽሃንጹ`ውን መተባብዒ ክህብዎም ኣለዎም። እዚ ነተን መኪና ዘይውንና 25 ሚእታዊት ስድራቤታት`ውን ከርብሐን ይኽእል`ዩ። ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ጠቐምቲ ኣይኮናን`ድየን? እቲ ጸብጻብ ብከላ ናብ ዜሮ ንምውራድ ዝዓለመ ብመንግስቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ምእላይ ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ደጊፉ`ዩ፡ እቲ ናይ ጊዜ መቓን ግን ኣዝዩ ዝሑል`ዩ፡ እቲ ሸቶ`ውን ዘይክውቃዕ ይኻኣል`ዩ ድማ ይብል። ኣብ ምምላእ ባትሪ [ቻርጅ ምግባር] ድማ ዓቢ ብድሆ ኣሎ፡ ብፍላይ ድማ ውስን ዝበለ መዓሸጊ መካይን ኣብዘይብሉ ክፋል ናይ ከተማ። ብተወሳኺ`ውን ኣሽከርከርቲ ኣብ ክንዲ ምሉእ ብምሉእ ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን ብሓናፍጽ [ብኽልቲኡ ዝሰርሓ] መካይን ክጥቀሙ ስለዝደናደኑ ኣብ መጻኢ ምጥቃም ነዳዲ ቅሪትን ሕመት ዘይቲን የተባብዕ። ሰባት እተን መለለዪ ማሕበራዊ ደረጃ ወይ ኣርከን ዝኾና ብግዝፊ ኣካላተን ጎደናታት ዘጻብባ SUV ዝዓይነተን መካይን ይገዝኡ ስለዘለዉ፡ ካብ ገለ ገለ ቦታታት ምኽልካለን መፍትሒ ክኸውን ይኽእል`ዩ ኢሉ እቲ ጸብጻብ። መራሒ-ኣልቦ መካይን`ከ ክሕግዛ`ዶ ይኽእላ ይኾና? እቲ ካልእ ኣብ መስርሕ ዘሎ ቴክኖጂያዊ ለውጢ ድማ ጉዳይ መራሒ-ኣልቦ መካይን`ዩ። እዚ ሕልሚ`ዚ ሕማቕ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል`ዩ ይብል`ቲ ጸብጻብ፡ ምኽንያቱ ወነንቲ መካይን ነተን መራሒ-ኣልቦ ዝኾና መካይኖም ከም ቤት ጽሕፈት ክጥቀሙለን ስለዝኽእሉ ንሳተን ኣብ`ቲ ባዕላቶም ዝፈጠርዎ ዕልቕልቕ ተሸኺለን እንከለዋ ንሳቶም ግን ኣብ ርሑቕ ኪሎሜተራት ኣብ ዘሎ ቦታ ክነብሩ ይኽእሉ`ዮም። ፕረሲደንት ማሕበር ኣውቶሞቢል አድመንድ ኪንግ`ውን ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መራሒ-ኣልቦ መካይን ዕልቕልቕ መካይን ኣብ ጎደናታት ከጋድዳ ይኻላ`የን ይብል። "ሓደ ዝረኣየካ ገሃነም እንተሃልዩ እተን መራሒ-ኣልቦ መካይን መዓሸጊ ኣብ ዘይብሉ ማእከል ከተማ ኣትየን ከዕነንያ እንከለዋ ምርኣይ`ዩ። እቲ ተሳፋራይ ካብኣ ወሪዱ ዘምጽኦ ይገብር፡ እታ መኪና ድማ እቲ ሰብ ጉዳዩ ወዲኡ ክሳብ ዝጽውዓ ኣብ ጎደና ኮለል እናበለት መገዲ ተጻብብ"። ብኤለክሮኒካዊ መገዲ፡ ንሓንቲ መኪና ብመሰረት ዝተጓዕዘቶ ርሕቀት ቀረጽ ዘኽፍል ኣገባብ እንተዝተኣታቶ ጽቡቕ ነይሩ ድማ ይብል። መልሰ-ግብሪ ሰባት ነቲ ጸብጻብ`ከ እንታይ ይመስል? "ጻዕቂ መካይን ኣብ ጎደናታት ከተማታትና ንምውሓስ፡ ጥዑይ ምንቅስቓስ ንምርግጋጽን ልቀት ካርቦን ብምቁጽጻር ጽሬት ኣየር ንምርግጋጽ ቆሪጽና ኢና ተበጊስና ዘለና። ነዚ ንምትግባር ዝሕግዙና ቴክኖሎጂታት ንምጥቃም ድማ ኣብ ዕድመ ወሎዶታት እቲ ዝዓበየ ናይ ምቁጽጻር ክለሳ ኣበጊስና ኣለና። ኣስታት ክልተ ቢሊዮን ፓውንድ ወፍሪ ብምግባር ድማ ንብዙሓት ሰባት ጽሩይን ሓምላይን ዓይነት መጓዝያ ንኽመርጹ ንሕግዝ ኣለና" ይብል ኣፈኛ ሚኒስትሪ መጓዓዚያ። ኣባል ሰልፊ ዕዮን ኣደ መንበር ኮሚቴ መጓዓዚያ ታሕተዋይ ባይቶ ብሪጣኒያ ዝኾነት ሊሊያን ግሪንዉድ ግን ሚኒስተራት ብዙሕ ክገብሩ ከምዘለዎም ትኣምን። "ብርግጽ፡ ምጥቃም ብኤለትሪክ ዝሰርሓ መካይን መድሃኒት ኩሉ ጸገማት ኣይኮነን፡ ነቲ ዝዓበየ ሽግር ህዝቢ ዝኾነ ምርግጋጽ ጥዕናን ክንነብረሎም እንደልዮም ቦታታትን ድማ ኣይፈትሕን`ዩ" ትብል ንሳ። "ዕልቕልቕ መካይን ኣብ ብዙሓት ከተማታት ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል ሽግር`ዩ፡ ንጽሩይን ሓምላይን ከባቢ ብብኩላት ጎደናታት ናይ ምቕያር ሓደጋ`ውን ክህሉ`ዩ"። "ዘይምንቅስቓስን ክስዐን ከበድቲ ጠንቂ ጥዕና ህዝቢ እናኾኑ ይመጽኡ ኣለዉ። ንሰባት ካብ መኻይኖም ከምዝወርዱ ምግባር ኣገዳሲ`ዩ፡ እዚ መንግስቲ ግን ንኸምኡ ዓይነት ለውጢ ዘገልግል ሸቶ የብሉን። እዛ ኣነ ዝመርሓ ኮሚቴ ግን ከምኡ ዓይነት ለውጢ ክህሉ ጸዊዑ`ሎ" ድማ ትብል። ኣብረርቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ‘ደቂሶም’ እታ ነፋሪት መዕለቢኣ መዕርፎ ኣየር ሓሊፋ ኣብረርቲ ናይ ሓንቲ ካብ ሱዳን ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ “ድቃስ ስዒርዎም” ነቲ ክዓልብሉ ዝግብኦም መዓርፎ ነፈርቲ፡ መገዲ ኣየር ቦሌ፡ ከምዝሓለፍዎ ተገሊጹ። ነዚ ሓበሬታ ቀዲሙ ዝጸብጸበ ‘ዘ ኣቭየሽን ሄራልድ’፡ ሰኑይ 15 ነሓሰ (ኣ.ኣውሮጳ) ካብ ካርቱም ሱዳን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ በረራ ዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ፡ ብምኽንያት ድቃስ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንምዕላብ ብራኸ ከምዘይነከዩ ሓቢሩ። መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዕለት ኣብ መንጎ እቶም ኣብረርትን ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየርን ርክብ ተቋሪጹ ምንባሩ ከረጋግጽ እንከሎ፣ እቲ ጠንቂ እንታይ ከምዝነበረ ይጻረ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ መገዲ ኣየር፡ ሎሚ ዓርቢ 19 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣብረርትን ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየርን ርክብ ብምንታይ ምኽንያት ከም እተቋረጸ እኳ እንተዘይገለጸ፡ እቲ ዝተጀመረ መርመራ ክሳዕ ዝዛዘም፡ ክልቲኦም ኣብረርቲ እታ ነፋሪት ካብ ስራሕ ከምእተኣገዱ ገሊጹ። ነፋሪት ቁጽሪ በረራ ኢቲ343 ቦይንግ 737-800 ብ37ሽሕ ጫማ ብራኸ እያ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ትበርር ኔራ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር፡ እታ ነፋሪት ብራኸ ክትንኪ ምእንቲ ነቶም ኣብረርቲ ንምርካብ ዝገበርዎ ተደጋጋሚ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ዘኣቭየሽን ሄራልድ ጸብጺቡ። ነቶም ተቖጻጸርቲ ትራፊክ ኣየር ምላሽ ዘይሃቡ እቶም ኣብረርቲ፡ ኣብ መዕለቢኦም ከምዝበጽሑ ዘመልክት፡ ካብ ስርዓተ በረራ እታ ነፋሪት ብዝወሃብ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ከምእተበራበሩ ተገሊጹ። ‘ኣውቶፓይለት’፡ እታ ነፋሪት ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝወሃባ ትእዛዝ፡ ብራኸ፡ ፍጥነትን መስመር በረራን ሓልያ ናብ መዕለቢኣ ክትበርር ዝገብር ስርዓት እዩ። ኣብ 'ፍላይትራዳር24' ምርኣይ ከምዝከኣል እንተወሓደ ኣብ ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልትታት፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓልታዊ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ በረራ ክፍጽም እንከሎ፣ እቲ በረራ ካብ 1 ሰዓትን 25 ደቓይቕን ክሳዕ 1 ሰዓትን 29 ደቓይቕን እዩ ዝወስድ። ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 15 ነሓሰ ካብ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝበረረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ግና ድሕሪ 1 ሰዓትን 49 ደቓይቕን ከምዝዓለበት እቲ ሓበሬታ የረድእ። እታ ነፋሪት ብሰላም ክትዓልብ እንከላ፡ እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር ሓበሬታ ድሕነት ገያሾ ቅድሚ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ ሓቢሩ። ንቢቢሲን ካልኦት ዓለም ለኸ ማዕከናት ዜናን ትንተና ዓውዲ መጓዓዝያ ኣየር ዝህብ፡ ኣሌክስ ማቸራስ፡ "ኣብቲ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ፍጻመ ኣዝዩ ዘሻቕል'ዩ" ኢሉ። "እታ ናብ መዕርፎ ቦታ እናተቐረበት ዝነበረት በረራ ET343 ንምንታይ ብራኸኣ ትሕት ክትብል ዘይከኣላት?" ክብል ድማ ይሓትት። ድሕሪ ምዝርጋሕ እቲ ጸብጻብ፡ ኣሌክስ ማቸራስ ሓዊሱ ብዙሓት ነቲ ፍጻመ ምስ ድኻም ስራሕ ኣብረርቲ ከምዘተኣሳስርዎ ገሊጾም። እዚ ተንታኒ ኣቬሽን፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኣብረርቲ ዝፍጠር ዘሎ ጸቕጢ ስራሕ፡ ንውሕስነት በረራ ስግኣት ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ሓደጋ ነፋሪት ጀት2 ከም ኣብነት ጠቒሱ። ማሕበር ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ብሪጣንያ (BALP)፡ ሓደጋ ነፋሪት ጄት2፡ ኣብ ልዕሊ ኣብረርቲ ዝህሉ ምድርራብ ስራሕ፡ ንጥዕና ኣብረርቲን ድሕንነት በረራን ኣሉታዊ ኩነታት ይፈጥር ከምዘሎ ከም መርአያ ጠቒሱ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ገሊፁ ነይሩ። ስድራቤት ግዳያት ሓደጋ ነፈርቲ ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ኣብ ኣሜሪካ ጥርዓን ኣቕሪቦም ስድራ ግዳያት ናይተን ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ዝወደቓ ክልተ ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ኣብ መንጎ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካን ቦይንግን ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ጥርዓን ኣቕሪቦም። እቶም ስድራ፡ እቲ ቤት ዕዮ ምስ ኣፍራዪ ነፈርቲ ቦይንግ ኣብ 2021 ብዝዓባ ዝበፅሖ ስምምዕ፡ መብርሂ ክወሃቦም ከምዝሓተቱ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ኣብተን ብመንገዲ ኣየር ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ዝውነና ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ቴክኒካዊ ጸገም ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተጓዓዝቲ ከምዝሞቱ ይዝከር። ስድራቤት ናይቶም በዚ ሓደጋታት ዝሞቱ ሰባት ንቦይንግ ብምኽሳሶም እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረኣይ ምፅንሑ ይፍለጥ። ቦይንግ ድማ ነቲ ዝወረደ ጉድኣት ካሕሳ ክኸፍል ተሰማሚዑ። እቶም ኣብቲ ክልተ ሓደጋታት ኣባላት ስድራቤቶም ዝሰኣኑ ሰባት፡ እቲ ኣብ መንጎ ቤት ዕዮ ፍትሒ ኣሜሪካን ቦይንግን ዝተበፅሐ ስምምዕ ነቲ ኣፍራዪ ነፈርቲ ኩባንያ "ብዘይ ገበናዊ ክሲ ክሃድም" ከምዝገብር ብምሕባር መብርሂ ክወሃቦም ይጠልቡ ከምዘለዉ እቲ ጸብጻብ የመልክት። ኣሜሪካዊ ዳኛ ሪድ ኦኮነር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ነቶም ግዳያት ክልተ ሓደጋታት ቦይንግ 737 ማክስ "ግዳያት ገበን" ክብል ገሊፅዎም ነይሩ። እንታይ ዓይነት ካሕሳ ክወሃብ ከም ዘለዎ ክውሰን ምዃኑ’ውን ተዛሪቡ። ኣብ 2018ን 2019ን ኣብ ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ዘጋጠሙ ሓደጋታት፡ ንቦይንግ 20 ቢልዮን ዶላር ከውፅእ ካብ ምግዳድ ብተወሳኺ፣ እተን 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ’ውን ን20 ኣዋርሕ ካብ በረራ ክእገዳ ምኽንያት ኮይኖም። ስድራቤት ናይቶም ዝሞቱን ጠበቓታቶምን ብዓርቢ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ መንግስቲቲ ዝተራኸቡ ኮይኖም ብኣካል ክርከቡ ዘይከኣሉ ድማ ብኢንተርነት ኣቢሎም ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተሳተፉ ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት። ስድራቤት እቶም ግዳያት ናብ ዳኛ ሪድ ኦኮነር ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን፡ “መንግስቲ ኣሜሪካ ሓሲዩና፤ ብምስጢራዊ መስርሕ መሰላትና መንጢሉና" ክብሉ ገሊጾም። ኣብ 2021፡ ቦይንግ ኣብተን ዓይነታት ነፈርቲ ንዝነበሩ ግድፈታት ወግዓዊ ብዘይምግባሩን ብምትላልን 2.5 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ምስተገበረ ዝተዋህቦም ናይ ዘይምኽሳስ መሰል ክለዓልን ተሓታቲ ክኸውንን ድማ ተማሕጺኖም። እቲ ኩባንያ ብኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ዝውነና ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ምውዳቐን ስዒቡ 346 ሰባት ብምሟቶም 2.5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ከምዝተሰማምዐ ዝዝከር እዩ። ኣብ ንድፊ እታ 737 ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት ካብ ክኢላታት ድሕነትን ጸጥታን ኣመሪካ ሓበሬታ ሓቢኡ ብዝብል’ዩ ነቲ መቕጻዕቲ ክኸፍል ተሰማሚዑ። ኣብቲ እዋን፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ፡ እቲ ኩባንያ “ካብ ግልፅነት ንመኽሰብ" ቀዳምነ ከምዝሃበ ገሊፁ ነይሩ። ካብቲ ቦይንግ ክኸፍሎ ዝተሰማምዓሉ መጠን ገንዘብ፡ እቲ 500 ሚልዮን ዶላር ነቶም በቲ ሓደጋ ነፋሪት ስድራቤቶም ዝሰኣኑ ክኽፈል ምዃኑ እውን ኣብቲ እዋን ወግዓዊ ኮይኑ። ቅድሚ ሎሚ’ውን፡ ስድራቤት ናይቶም ብሓደጋ ነፋሪት ቦይንግ 737 ማክስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣመሪካ ሕጋዊ ክሲ ኣቕሪቦም ነይሮም’ዮም። እቶም ስድራቤታት፡ ‘ኣሜሪካ ንቦይንግ ካብ ገበናዊ ክሲ ንነብሱ ክከላኸል ዝገብር ውሕስና ዝረኽበሉ ስምምዕ ብሕቡእ ኣዳልያ’ ክብሉ ከሲሶም ምንባሮም ይዝከር። በቲ ሓደጋ ወዲ 24 ዓመት ወዳ ዝሰኣነት ናድያ ሚልሮን፡ "ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ ነቲ ምስ ቦይንግ ዝተገብረ ምስጢራውን ዘይሕጋውን ስምምዕ ዓቂቡ ምህላዉ ዘሕዝን'ዩ። እዚ ድምጺ ግዳያት ዘየካተተን ንቦይንግ ካብ ተሓታትነት ነፃ ክኸውን ዝገብሮን እዩ" ኢላ ኣብቲ ንሮይተርስ ዝሃበቶ ርእይቶ። ቦይንግን ክፍሊ ፍትሕን ብወገኖም፡ እቲ ትካል ዝተፈረዶ 2.5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍል ኣብ ዝተሰማምዐሉ እዋን እቲ ጉዳይ ዳግማይ ምልዓሉ ተቓዊሞሞ። ካብቲ 2.5 ቢልዮን ዶላር መቕጻዕቲ፡ 500 ሚልዮን ዶላር ንግዳያት 243.6 ሚልዮን ዶላር ድማ ንመቕጻዕቲ ዝክፈል ክኸውን ከሎ፡ 1.7 ቢልዮን ዶላር ድማ ንኻሕሳ መገዲ ኣየራት ዝውዕል እዩ። ክፍሊ ፍትሒ እቲ ስምምዕ ክቕየር ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ "እቲ ውሳነ እንተተቐይሩ ግን ነቶም ካሕሳ ዝተወሃቦም ስድራ ግዳያት ሓዊሱ ንኻልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ክጸልዎም'ዩ" ኢሉ። ይኹን እምበር ነቲ ካብ ስድራ ግዳያት ዝተልዓለ ሕቶ ዕሽሽ ከምዘይብሎ ኣፍሊጡ’ሎ። ቦይንግ ብወገኑ ነቲ ክሲ ዳግማይ ንምኽፋት ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝቃወሞ ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ። "ዘይተጸበናዮ፡ ዘይፍትሓውን ክዕወት ዘይክእልን" ክብል ድማ ነቲ ካብ ስድራ ግዳያት ዝቐርብ ዘሎ ጥርዓን ነቒፍዎ። ቦይንግ ምስ ሓደጋ ማክስ 737 ብዝተሓሓዝ ንዘሎ ስግኣት ሓደጋ ነጺጉ "ኣብ ታሪኽ መገዲ ኣየር ኣዝዩ ብዝለዓለ ኩነታት ዝተፈተሸ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት" ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ። እንተኾነ፡ ገለ ነቐፍቲ ቦይንግ ማክስ 737 ሕጂ'ውን ድሕነታ ዝተሓለወ ኣይኮነን ኢሎም ዝኣምኑ። ድሕሪ እቶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ተጉዓዝቲ ዝሞቱሎም ክልተ ዘሰክፉ ሓደጋታት ካብ ስራሕ ጠጠው ክብል ተገይሩ ዝነበረ ቦይንግ ማክስ 737፡ ተቖጻጸርቲ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዳግም ንክበርር ፈቒዶምሉ'ዮም። ኩባንያ ቦይንግ፡ እታ ነፋሪት ድሕነታ ዝተሓለወን ዘተኣማምን ከም ዝኾነት እዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ቦይንግ ማክስ 737 ካብ ሲያትል መዓርፎ ነፈርቲ ቦይንግ ፊልድ ተበጊሳ ናብ ብራስለስ በረራ ገይራ ነይሩ። እዚ በረራ፡ እታ ሓድሽ ነፋሪት ንዋናታታ ማለት'ውን ቱኢ ንዝተባህለ ጉጅለ ንምብጻሕ ዝዓለመ ነይሩ። እንተኾነ፡ 5000 ማይል [8 ሽሕ ኪሎ ሜትሮ] ርሕቐት ዘለዎ በረራ ኣብ ዝተጀመረሉ፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እቶም ኣብረርቲ ህጹጽ "ናይ በረራ መቆጻጸሪ ጸገም" ስለ ዘጋጠሞም ንድሕሪት ተመሊሶም። እታ ነፋሪት ክኣ ብሰላም ዓሊባ። እቲ ጸገም ምስቲ ብዘይ ኣብራሪ [ፓይለት] ንበዓሉ ዝቆጻጸር "ኣውቶ ፓይለት" ዝተሓሓዝ ከም ዝኾነ ክግለጽ እንከሎ ብተዛማዲ ቐልጢፉ ክዕረ ክኢሉ'ዩ። ድሕሪኡ እታ ነፋሪት ናብ ብራስለስ ተመሊሳ ስሩዕ ኣገልግሎት ትህብ ኣላ። እንተኾነ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ነፋሪት ዘቕርብ ወይ'ውን ኣብ መደብር ጽገና ኣብቲ ነፋሪት ከቢድ ጸገም ወይ ክፍተት ክረክብ እንከሎ ንምምሕዳር ኣቪየሽን ፌደራል ከፍልጥ ይግባእ። ማክስ 737 ዳግም ናብ ኣገልግሎት ምስ ተመልሰት ልዕሊ 180 ሪፖርታት ቐሪቦም'ዮም። መብዛሕትኦም ኣብ መሬት ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ነፈርቲ ኮይኖም እቶም 22 ኣጋጣሚታት ድማ ኣብ እዋን በረራ ዘጋጠሙ'ዮም። ካብዚኦም እቶም ኣርባዕተ ኣብረርቲ ሃንደበታዊ ሓደጋ ብምባል ጻውዒት ኣቕሪቦም። ኣብረርቲ ኣመሪካ ብምኽንያት ናይ ሞተር ጸገም ክልተ ግዜ ሃንደበታዊ ሓደጋ ሪፖርት ገይሮም። እዚኦም ኣብ ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ኣቪየሽን የለውን፤ ኣብ ውሽጢ ንግዲ ኣቪየሽን ሓደጋታትን ኣጋጣሚታትን ኣብ ዝዝርዝር ድረ ገጽ ጌራልድ ኣቪሽን ግን ኣለው። እቶም ጸገማት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ኣስታት 160 ነፈርቲ ኣመሪካ ተራእዮም። ካብዚኦም ገለ ብምኽንያት ናይ ኤሌክትሪክ ጸገም ንሰሙናት ኣገልግሎት ከይህባ ተገይሩ። ምስተን ነፈርቲ ብዝተሓሓዝ ዘጋጠሙ ሪፖርታት ጸገማት ኣገልግሎት ብመጓዓዝያ ካናዳ ወግዓዊ ኮይኖም'ዮም። መረዳእታታት ከም ዘመላኽቱዎ ድማ ካብ 56 ነፈርቲ ማክስ 737 እተን 19 ሪፖርት ተገይረን። ካብዚአን ድማ እተን 5 ኣብ እዋን በረራ ዘጋጠመ ክስተት የርእያ። ማክስ 737 ሕጂ'ውን ልዑል ክትትል ዝግበረለን ዘሎ ኮይኑ እተን ነፈርቲ ኣብ 2019 ን20 ኣዋርሕ ካብ ኣገልግሎት ተኣጊደን ጸኒሐን እየን። እዚ ብምኽንያት እቲ ህይወት 346 ሰባት ዝበልዐ ክልተ ሓደጋጋት ኮይኑ፡ ኣብ ቀረባ ቦይንግ ምስ ስድራ ግዳያት ብሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ንዝሞቱ 157 ተጉዓዝቲ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ይፍለጥ። እዚ ድማ እቲ ኩባንያ ነቲ ሓደጋ ሓላፍነት ከም ዝወስድን ተሓታትነት ከም ዝቕበልን ዝብል ኮይኑ ስድራ ግዳያት ድማ በቲ ዝበጽሐ ሓደጋ እቲ ኩባንያ በቤት ፍርዲ ንክቕጻዕ ኣይገብሩን። ካብታ 132 ሰባት ሒዛ ዝወደቐት ነፋሪት ቻይና ብህይወት ዝተረፈ የለን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ቻይና፡ ክሳብ ሕጂ ካብታ 132 ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረትን ኣብ ጎቦታት ደቡብ ቻይና ዝወደቐትን ነፋሪት ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ኣይረኸቡን። መርመርቲ እታ ብሰኑይ ዝወደቐት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢስተርን ዝኾነት ቑጽሩ በረራ MU5735 ዝወደቐትሉ ምኽንያት ዘረድእ ሓበሬታ እውን ኣይተረኸቡን። ኣባላት ስድራ እቶም ተጉዓዝቲ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ እንተሎ ንምፍላይ ይጽበዩ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣብ ቻይና ከቢድ ሓዘን ነይሩ። እዛ ቦይንግ 737-800 ነፋሪት ኩሚንግ ካብ ዝብሃል ከተማ ናብ ጓንግዡ ዝተባህለ ግዝኣት ክትጉዓዝ እንከላ ኣብ ግዝኣት ጓንግዢ ምስ ወደቐት ሓዊ ከም ዝተላዕለ ተገሊጹ። ን36 ሰዓታት ዝኣክል ክሳብ ምምሕዳር ሲቪል ኣቪየሽን ቻይና መግለጺ ዝህብ ብዛዕባ በቲ ሓደጋ ዝበጽሐ መጉዳእቲ ዝምልከት ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይነበረን። "ክሳብ ሕጂ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ሓደ ብህይወት ዝተረፈ ሰብ ኣይረኸቡን። ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ሓበሬታ ምኽንያት ምውዳቕ እታ ነፋሪት ዝምልከት ግልጺ ገምጋም የለን" ክብል ዳይሬክተር ድሕነት ኣቺየሽን እቲ ምምሕዳር ዙ ታኦ ተዛሪቡ። ወሲኹ፡ ተቖጻጸርቲ ኣየር እታ ነፋሪት ንቑልቑል ክትወርድ እንከላ ተደጋጋሚ ጻውዒት እኳ እንተገበሩ መልሲ ግን ኣይረኸቡን ኢሉ። እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝተዋፈሩ ክኢላታት ክሳብ ሕጂ ዝተቓጸለ ስብርባር ኣካላት እታ ነፋሪት ዝረኸቡ ኮይኖም፡ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ስእልታት ደብዳበታት፣ ሻንጣታት፣ ማሕፉዳን መለለዪ መንነትን እቶም ተጉዓዝቲ ተቕርብ ነይራ። መገዲ ኣየር ኢስተርን ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኩለን ቦይንግ 737-800 ካብ በረራ ኣጊዱወን ኣሎ። እታ ነፋሪት 123 ተጉዓዝትን ትሸዓተ ሰራሕተኛታትን ኣሳፊራ ከም ዝነበረት ክግለጽ እንከሎ ስድራ ግዳያትን ፈተውትን እታ ሓደጋ ዘጋጠማ ነፋሪት ትዓርፈሉ ትጽቢት ይግበረሉ ኣብ ዝነበረ ቦታ ተኣኪቦም ኣለው። ሰብ መዚ ግን ክሳብ ሕጂ መንነት ኣብታ ነፋሪት ተሳፊሮም ዝነበሩ ሰባት ወግዓዊ ኣይገበሩን። መስመር በረራ ነፈርቲ ዝከታተል መርበብ ሓበሬታ ፍላይትራዳር23 ናይ መወዳእታ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ቀትሪ ሰዓት 02፡22 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] 3225 ጫማ ብራኸ ትበርር ኣብ ዝነበረትሉ ጥራይ ዝተመዝገበ ምዃኑ ይሕብር። ኢንዶኔዥያ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ዘንበረቶ እገዳ ኣልዒላ ኢንዶኔዥያ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ መገዲ ኣየር ላየን ዘጋጠመን 189 ተሳፈርቲ ዝቐተለን ሓደጋ፡ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኣልዒላ፡፡ ኣፍራዪ እተን ነፈርቲ ዝኾነ ቦይንግ ድሕሪ እቲ ኣብ ነፋሪት 737 ማክስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠመን ብዙሓት ሰባት ዝሞትሉን ሓደጋ፡ እተን ጽቡቕ መሸጣ ዝነበረን ነፈርቱ ኣብ ሙሉእ ዓለም ከይበራ ተኸልኪለነኦ ጸኒሐን፡፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እተን ደው ኢለን ዝጸንሓ ነፈርቲ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምራ ብሰኑይ ገሊጹ እዩ፡፡ ክልቲአን ሃገራት እተን ነፈርቲ ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን በረራ ምስ ጀመራ ድሕሪ ኣዋርሕ እየን ፍቓድ ዝህባ ዘለዋ፡፡ እተን ነፈርቲ ዳግም ናብ ስራሕ ክምለሳ ኣብዚ ዓመት ፍቓድ ዝሃባ ሃገራት ኣወስትራልያ፣ ጃፓን፣ ህንዲ፣ ማሌዥያን ሲንጋፖርን ሓዊሱ ልዕሊ 180 ሃገራት ነተን ነፈርቲ ናይ ምብራር ፍቓድ ሂበን አለዋ፡፡ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ኢንዶኔዥያ፡ ኣብ ኣካላት እተን ነፈርቲ ዝተገበረ ምምሕያሽ ተመርሚሩ ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ከምዝምለሳ እዩ ገሊጹ ዘሎ፡፡ ቅድሚ እቲ ክልከላ 10 ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ዝነበረኦ መገዲ ኣየር ላየን ኣብዚ ዛዕባ ኣመልኪቱ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን፡፡ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ኢንዶኔዥያ ጋሩዳ ግና እተን ነፈርቲ ደጊሙ ናይ ምጥቃም ድልየት ከምዘይብሉ ገሊጹ፡፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ 29 ጥቅምቲ 2018፡ ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ላየን ዝኾነት ነፋሪት፡ ካብ ጃካርታ ምስበገሰት ድሕሪ 13 ደቓይቕ ኣብ ባሕሪ ጃቫ ዝወደቐት ኮይና፡ ኩሎም 189 ተሳፈርቲ ሞይቶም፡፡ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልአ እዋን ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ዝተበገሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ቑጽሪ በረራ 302 ወዲቓ፡ ተሳፊሮም ዝነበሩ ኩሎም 157 ሰባት ሞይቶም፡፡ ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ኣብ ኖርወይ ወዲቓ ኣርባዕቲኦም ተሳፈርታ ሞይቶም ወተሃደራዊት ነፋሪት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ኖርወይ ብምሕምሻሻ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኣርባዕተ ተሳፈርቲ ሞይቶም። እታ MV-22B ዝዓይነታ ወተሃደራዊት ተፋሪት ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ኣባላት ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ዘካየደኦ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክትሳተፍ ድሕሪ ምጽናሕ'ያ ብዓርቢ ኣብ ኖርወያ ወዲቓ ተሓምሺሻ። እታ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኖርወይ ደቡብ ካብ ከተማ ቦዶ ዝወደቐት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር፡ ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ክትዓልብ ስለ ዘይክኣለት'ያ ተሓምሺሻ። ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኖርወይ ኣብ በረድ ብዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ተሓጊዞም ቀዳም ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ናብቲ እታ ሄሊኮፕተር ዝወደቐትሉ ቦታ ክብጽሑ ክኢሎም። ፖሊስ ናይቲ ዞባ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ "ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ምማቶም ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ድሕሪ ምባል እቶም ግዳያት ኩሎም ኣሜሪካውያን ምዃኖም ሓቢሩ። ተወሳኺ ጠንቒ ምውዳቕ ናይታ ነፋሪት መርመራ ንምግባር ዝተጀመረ ፈተነ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ንግዚኡ ከም ዝተወንዘፈፈን ኩነታት ኣየር እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ምስ ተመለሰ ዳግማይ ክጅምር ምዃኑን ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብቲ 'ኮልድ ሪስፖንስ' ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ኣብ ኖርወይ ክካየድ ዝቐነየ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ካብ 27 ኣባላት ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝተዋጽኡ ኣስታት 30 ሽሕ ወተሃገራት ተሳቲፎም። ኣብ ዝመጽእ 3 ዓመት ክጅምር ትጽቢት ዝግበረሉ ኣገልግሎት ነፈርቲ ታክሲ ‘ዘ ጀትሶን’ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ተኸታታሊ ፊልም ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ይረኣይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ እቲ ነፈርቲ ታክሲ ዝብል ሓሳብ ናብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ክመጽእ ዝኸኣለ። እቲ ኣብ ሳይንስ-ልቦለድ ዝምደብ ፊልም ክረኣይ ካብ ዝጅምር ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ድማ ሓሳባቱ ናብ ተግባር ዝቕየሩሉ እዋን በጺሑ። ሓደ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ ብኡበርን ቦይንግን ዝውነና በረርቲ ታክሲታት ክሳብ 2040 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ዝህሉ እዋን ብደረጃ ዓለም ብዝሐን ናብ 430,000 ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ከተማታት ነቲ ኣቑሑት ካብን ናብን ንምብጻሕ ዘገልግላ ነኣሽቱ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ንሰባት ዘመላልሳ ነፈርቲ ታክስታትን ኣብ መጻኢ ክፈጥርኦ ዝኽእል ምጭንናቕ ኣብ ግምት ብምእታው ብኣጋ ነኣሽቱ መዕርፎ ነፈርቲ ከዳልዋ ዝምዕድ ሓሳባት ክቐርብ ጀሚሩ’ሎ። እቶም ነኣሽቱ መዕርፎ ነፈርቲ ከኣ ነተን ነፈርቲ ታክሲ ዝጥቀሙ ሰባት ክበጽሕዎ ናብ ዝደለይዎ ቦታ ንኽበጽሑ ምችው ኩነታት ይፈጥሩ። ኣብ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ‘ጆቢ ኣቪየሽን’ ዝበሃል ትካል ነተን ነፈርቲ ታክሲታት ኣብ ምፍራይ ብመሪሕነት ይሰርሕ ዘሎ ኮይኑ፤ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 1 ሽሕ ናይ ፈተነ በረራታት ከምዘካየደ ይገልጽ። ድሕሪ 3 ዓመታት ማለት ኣብ 2024 ስሩዕ ኣገልግሎት በረራ ታክሲ ንምጅማር ድማ ካብ ኣኽባሪ ሕጊ ኣሜሪካን ምምሕዳር ፌደራል ኣቪየሽንን መረጋገጺ ፍቓድ ንምርካብ ይጽበይ ኣሎ። እተን በረርቲ ታክሲ ኣርባዕተ ሰባት ዝጽዕናን ብሰዓት 322 ኪሎሜትር ክጓዓዝ ዝኽእላን እየን። ሰባት ካብ ዝነብሩሉን ዝሰርሑሉን ከባቢ ናብ ዝደልይዎ ቦታ ንኽጓዓዓዙ ዘኽእል ኣገልግሎት ንምሃብ ከምዝሓሰቡ ዝዛረብ ወሃቢ ቓል ኩባንያ ጆቢ፤ ኦሊቨር ዎከር-ጆንስ “እንህቦ ኣገልግሎት ምስ ከም ጣብያታት ባቡር፣ መዕርፎ ነፈርትን ካልኦትን ዝተራኸበ ንምግባር ምስ ከተማታት ሓቢርና ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ። ከተማታት ሂዩስተን፣ ሎስኤንጀልስን ኦርላንዶን ነተን በረርቲ ታክሲታትን ካልኦት ተመሳሳሊ ኣገልግሎት ዝህባ ቴክኖሎጂታትን ዝኸውን መሰረተ-ልምዓት (ትሕተ-ቅርጺ) ንምድላው ውጥን ከምዝሓዛ ኣፍሊጠን ኣለዋ። ኣብ ብሪጣንያ እውን ኣብ ጥቓ ስታድየም ራግቢን ኩዕሶ እግሪን ከተማ ለንደን መዕረፊ እተን በረርቲ ታክሲ ዝኸውን ቦታ ንምህናጽ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ተረኺቡ’ሎ። ኣብ ኣሜሪካ ጂፒ ፓወር ዝተበሃለ ትካል መጽናዕቲ ንግዲ በዓል ሞያ ጉዕዞን ቴክኖሎጂን ዝኾነ ማይክል ታይለር፤ እተን በረርቲ ታክሲ ኣብ ዝንቀሳቐሳሉ እዋን ከጋጥም ንዝኽእል መሰናኽላት ምቁጽጻር ከምኡ’ውን ቁጽጽር ትራፊክ ኣየረን ቀንዲ ብድሆታት ከምዝኾኑ ይገልጽ። ኣሮን ቤልባሲስ ዝተባሃለ ኪኢላ ቴክኖሎጂ ትካል ኣውረኮን [ትካል ምህንድስሳን ዲዛይንን] ጉዳይ ጥዕናን ድሕነትን እውን ብዝለዓለ ደረጃ ክሕበሎም ዝግባእ ጉዳያት ከምዝኾኑ የጠንቅቕ። ኣብ ኣየርን ዝንቀሳቐሳ ነፈርቲ ክበዝሓ ከለዋ መጠን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ ብኡኡ ልክዕ ከምዝውስኽ ይኣምን። እተን በረርቲ ታክሲ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዝኾነ ምኽንያት ክወድቃ እንተኾይነን ኣብ ልዕሊ ተሳፈርተን ኮነ ካልእ ኣካል ዘብጽሕኦ ሓደጋ ከቢድ ከምዝኸውን ድማ ይገልጽ። እዞም ስግኣታት እንተሃለዉ’ኳ ኣብ ከም ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳን እስያን ዝርከባ ከተማታት ግን ነተን በረርቲ ታክሲ ንምጥቃም ዘለወን ድልየትን ጠለብን ዝለዓለ ከምዝኾነ ይግለጽ። ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ 5 ዓመታት ድማ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 200 መዕርፎ እተን በረርቲ ታክሲን ናይ ጽዕነት ድሮናትን ንምህናጽ ውጥን ተታሒዙ ኣሎ። ፋሉል ጠባይ' ዘርኣያ ክልተ ተሳፈርቲ ነፋሪት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዶላር ተቐጺዐን ክልተ ኣብ መንገዲ ኣየር ኣሜሪካን መንግዲ ኣየር ደልታን ተሳፊረን ዝነበራ ገያሾ 'ፋሉል ጠባይ' ብምርኣየን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣቭየሽን ኣሜሪካ ተፈሪዱ ዘይፈልጥ መጠን መቕጻዕቲ ከምዝተበየነን ተገሊጹ። መንግዲ ኣየር ኣመሪካ፡ ካብ ፈለማ 2021 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ነፈርቲ ዝርአ ዕግርግር ከምዝወሰኸ ብምግላጽ፡ ዝበዝሑ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣይንገብርን ኢና ኢሎም ዘዕግርግሩ ገያሾ ከምዝኾኑ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ልዕሊ እተን 'ፋሉል ጠባይ' ኣርእየን ተባለን ዝተኸሰሳ ዝተበየነ ፍርዲ: ዋና ጽሓፊ መጓዓዝያ ኣመሪካ ፒተ ቡቲጌግ'ዩ ብዓርቢ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ። "ኣብ ውሽጢ ነፋሪት እንተሃሊኹም፡ ፋሉል ብምዃን ንድሕነት ተሳፈርትን ኣባላት በረራን ኣብ ሓደጋ ኣይተእትዉ" ዝበለ ፒተ ብምስዓብ "ነዚ እንተጢሒስኩም ግን ክትቅጽዑ ግድን'ዩ" ኢሉ። ኣቲ ሓደ ኣጋጣሚ ሓንቲ ብመንግዲ ኣየር ኣሜሪካ ካብ ቴክሳስ ናብ ሰሜን ካሮላይና ትጓዓዝ ዝነበረት ገያሺት ንሓንቲ ካብ ኣባላት በረራ ስለዘፈራርሓታን ዝሃረመታን 81,950 ዶላር መቅጻዕቲ ተበይንዋ። እታ ኣባል በረራ፡ ነታ ኣብ ጥቃ ማዕጾ ዝወደቀት ሽማ ዘይተገለጸ ገያሺት ከተልዕላ ኢዳ ወስ ኣብ ዝበለትሉ፡ ነታ ኣባል በረራ ብምድፋእ ነቲ ማዕጾ ናይ ነፋሪት ክትከፍቶ ከምዝፈተነት እዩ ተገሊጹ። ብዘይካ እዚ ነታ ማዕጾ ከይትኸፍቶ ትጋደላ ዝነበት ኣባል በረራ ኣብ ርእሳ ከምዝሃረመታ'ውን ተሓቢሩ። እቶም ተሳፈርትን ኣባልት በረራን ተሓጋጊዞም ኢዳ ምስ ኣሰርዋ'ውን "ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት በረራ ጡፍ ብምባል ብእግራ ንዕኦምን ንኻልኦት ተሳፈርትን ሃሪማቶም" ይብል መግለጺ ክፍሊ ኣቭየሽን ኣሜሪካ። እታ ካልእ መቕጻዕቲ ዝተበየና ተሳፋሪት ኸኣ ብመንገዲ ኣየር ደልታ ካብ ላስ ቬጋስ ናብ ኣትላንታ ትጉዓዝ ዝነበረት እያ። "ኣብ ጥቃኣ ንዝነበረ ተጓዓዛይ ብሓይሊ ሰዒማ፡ ናብ ማዕጾ ብምኻድ ነቲ ማዕጾ ናይ ነፋሪት ክትከፍቶ ፈቲና፡ ኣብ ቦትኣ ኮፍ ምባል ብምእባይ ንሓያሎ ተሳፈርቲ ደጋጊማ ሃሪማቶም" ይብል እቲ ክሲ። እታ ስማ ዘይተገለጸት ተሳፋሪት ደሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ብሓይሊ ኣባላት በረራን ገለ ተጓዓዝትን ኮፍ ከምእትብል ከምዝገበረትን "በቲ ዘርኣየቶ ፋሉል ጠባይ" 77,272 ዶላር ክትቅጻዕ ከምዝተበየነና ተገሊጹ። ክልቲኡ ክስተታ ምስ 'መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባርን ዘይምግባርን' ዘራኽብ ከምዘይብሉ'ውን ተሓቢሩ። ኣብ ታሪክ ኣመሪካ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ብዘርኣይዎ ሕማቕ ጠባይ ክንድዚ መጠኑ ሰልዲ ተቐጺዖም ዝፈልጡ ገያሾ የለዉን። ዋና ጽሓፊ መጓዓዝያ ኣመሪካ ፒተ ቡቲጌግ፡ ተሳፈርቲ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይግበሩዶ ኣይግበሩ ዝብል ዛዕባ 18 ሚያዝያ ውሳነ ክውሃበሉ ምዃኑ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኮሎምብያ ዝነበረላ ሄሊኮፕተር ዘጥቀዐ ሰብ ንዝሓበረ ዓቢ ሽልማት ቀሪቡ ፕረዚደንት ኮሎምብያ ኢቫን ዱኬ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኩኩታ ምስ ቀረበ እዩ ዝተሳፈረላ ሄሊኮፕተር ናይ ተኹሲ መጥቃዕቲ ዘጋጠማ። ናይታ ሄሊኮፕተር ላዕለዋይ ክንፍን ጭራን ብጠያይቲ ተበሳሲዑ ዘርኢ ስእልታት’ውን ተራእዮም። በቲ መጥቃዕቲ ዋላ ሓደ ሰብ ዝተጎድአ ከምዘየለ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮፓን መንግስቲ ኣመሪካን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሄሊኮፕተር ፕረዚደንት ኮሎምብያ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኮኒኖምዎ። ካብቶም ምስ እቲ ፕረዚደንት ኣብታ ሄሊኮፕተር ተሳፊሮም ዝነበሩ ሓደ ዝኾነ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሓይልታት ኮሎምብያ ዴጎ ሞላኖ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሄሊኮፕተር መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ሰባት እኒመን ከምዝኾኑ ንዝሓበረ ሽልማት ከምዝተዳለወ ትማሊ ቀዳም ዕላዊ ገይሩ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፖሊስ እታ ሃገር፡ ንመጥቃዕቲ እታ ሄሊኮፕተር ውዒሎም እዮም ዝበሎም ናይ ኵናት መሳርሒ ኣብ ጥቓ ኩኩታ ከምዝረኸበ ዕላዊ ገይሩ። ካብቶም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ መሳርሕታት ሓዲኦም ሓይልታት ምክልኻል ቬንዙዌላ ዝጥቀምሉ ከምዝኾኑ ዘርኢ ኣርማ ከምዝተረኸቦ ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ጀነራል ጆርጅ ቫርጋስ ገሊጹ። “ደድሕሪ እቶም ነዚ ዝፈጸሙ ሰባት ኢና ዘለና፤ ክሳብ ኣብ ቀይዲ እነእትዎም ተስፋ ኣይንቖርጽን” ክብል’ውን ትዊት ገይሩ’ሎ። እቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ዛጊድ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ቅድሚ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ፕረዚደንት ዱኬ ኣብ ክልል ካታትሙቦ ኣብ ዝኾነ በዓል ዕዱም ጋሻ ኮይኑ ከምዝተኻፈለ ተፈሊጡ። እቲ ከባቢ ኣብ ዶብ ኮሎምብያን ቬንዙዌላን ዝርከብ ኮይኑ ንመቐመሚ እጽ ኮከይን ዝኸውን ተኽሊ ኮኳ ዝቦቕለሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኮሎምብያ፡ ጎረቤታ ቬንዙዌላ ኣንጻር መንግስቲ ኮሎምብያ ንዝቃለሱ ዕጥቛት ተዕቁብ’ያ ኢላ ትከስስ። እንተኾነ ግን ቬንዙዌላ ‘ኣይወዓልኩዎን’ ክትብል ነቲ ኽሲ ትነጽጎ። ፕረዚደንት ዱኬ ፖለቲካዊ ስልጣን ኮሎምብያ ካብ ዝጭብጥ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ንድሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ርክባት በቲኸን ኣለዋ። ኣብ ኮሎምብያ እቲ ብግዝፈቱ ዓብይ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ኢኤልኤን ዝተብሃለ ዓማጺ ጉጅለ ኣብ ክልል ካታትሙቦ ከምዝንቀሳቐስ ይግለጽ። እቲ ዓማጺ ጉጅለ፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ኣብ መኪና ዝተጻወደ መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመ ኣፍሊጡ ነይሩ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ክልተ ኣመሪካውያን ወተሃደራውያን ኣማኸርቲ ሓዊሱ 36 ሰባት ከምዝተጎድኡ ይዝከር። ድሕሪ መዓልቲ ምስጋና፡ ኣብ ኣሜሪካ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክውስኽ ከምዝኽእል፡ ኣንቶኒ ፋውቺ ኣጠንቂቑ በዓል ሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ፋውቺ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝመፅእ ሰሙናት ብርቱዕ ወሰኽ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከጋጥማ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ። ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሰባት፡ መዓልቲ ምስጋና (ታንክስጊቪንግ) ንምብዓል፡ ናብ ዓዶም ይምለሱ ኣለዉ። ኣንቶኒ ፋውቺ፡ ነዚ መዓልቲ ኣኽቢሮም ዝምለሱ ገያሾ፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩን፡ ርሕቐቶም ክሕልዉን'ውን ፀዊዑ ኣሎ። ኣሜሪካ፡ ዛጊድ 13 ሚልየን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘመዝገበት ክትከውን ከላ፡ 266 ሽሕ ሰባት ድማ፡ ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ሞይቶም እዮም። ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥራሕ ኣርባዕተ ሚልየን መልከፍቲ ኮቪድ-19 ተመዝጊቡ እዩ፤ እዚ ከኣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዝነበረ ብዝሒ፡ ዕፅፊ ከምዝኾነ ይግለፅ። እዚ ቅነ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሜሪካ፡ መዓልቲ ምስጋና ንምኽባር ንዝጓዓዙ ገያሾ ብብዝሒ ዘአንግዳሉ እዋን እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ቅንያት መዓልቲ ምስጋና፡ 26 ሚልየን ሰባት ብመዕርፎ ነፈርቲ እታ ሃገር ሓሊፎም እዮም። ዋላ’ኳ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ሰባት መዓልቲ ምስጋና ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ከኽብርዎ እንተፀውዑ፡ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሜሪካ ግና፡ ኣብዚ ሰሙን ብገያሾ መሊአን እየን ቀንየን። ከም ፀብፃብ ምምሕዳር ድሕነት መጓዓዝያ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ፡ ካብ 800 ሽሕ ክሳብ ሓደ ሚልየን ተጓዓዝቲ፡ ብናቑጣታት መቆፃፀሪ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ'ታ ሃገር ሓሊፎም። “መገሻታት ብምውሳኹ፡ እቲ ለበዳ'ውን ክውስኽ እዩ” ዝበለ ፋውቺ፡ ንመዓልቲ ምስጋና ዝጓዓዙ ገያሾ፡ እንተኽኢሎም ንዝተወሰነ ግዘ ክውሸቡ ሓቢሩ። ኣተሓባባሪት ግብረመልሲ ኮሮናቫይረስ ዋይት ሃውስ ዶክተር ዴብራ ብርክስ’ውን፡ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ንስክፍታ ኣንቶኒ ፋውቺ እያ ኣጠናኺራ። በቲ ኩነታት “ኣዚና ኢና ተሻቒልና ዘለና” ትብል ዴብራ፡ ነዚ በዓል ክጽምብሉ ዝገሹ ሰባት፡ ንልዕሊ 65 ዝዕድሚኦም ሰባት ካብ ምርካብ ክቑጠቡ ድማ ተማሕፂና። ኣብ ደቡብ ሱዳን ነፋሪት ወዲቓ ብምልኦም ተሳፈርቲ ሞይቶም ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን ኣብ ምብራቃዊ ዞባ ጂንጎለ ትበርር ዝነበረት ንእሽተይ ነፋሪት ሰሉስ ምሸት ወዲቓ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 10 ሰባት ምማቶም ገሊጾም። እታ ነፋሪት ካብ ንኡስ መዓርፊ ነፈርቲ ፒረ ተበጊሳ ናብ ርእሰ ከታማ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ጁባ እናኣምረሐት እንከላ፡ ብዙሕ ከይከደት ከምዝወደቐት እቶም ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም። ሚኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር ማዱት ብያር የል፡ ነቲ ምኽንያት ምውዳቕ እታ ነፋሪት ዘጻርዩ ልኡኻት ናብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ሎሚ ሮቡዕ ተላኢኾም ከምዘለዉ ሓቢሩ። እታ ነፋሪት ብሳውዝ ሱፕሪም ዝተብሃለ ውልቃዊ ትካል እትውነን ኮይና፡ እቲ ትካል ንምውዳቕ እታ ነፋሪት ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ የለን። ኣመሓዳሪ ዞባ ጆንጎለ ድናይ ጆክ ቻጎር ብምውዳቕ እታ ነፋሪት ከምዝሰንበደ ብምግላጽ: ናብ ስድራ ግዳያት ናይ ሓዘንን ናይ ጽንዓት ይሃብኩምን መልእኽቲ ሰዲዱ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን ዝግበር በረራታት ብዓለምለኻዊ ድሕነት በራራት ተመርሚሩ ንድሕነቱ ዝምልከት ነጥቢ ኣይተውሃቦን ዘሎ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ካብ 2018 ክሳብ 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብሓፈሻ 10 ነፈርቲ ክወድቃ እንከለዋ: ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት 30 ሰባት ብሓደጋ ነፋሪት ሞይቶም ኣለዉ። ፅገ ገብረስላሴ: ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ሓላፍነት ዝበፀሐት ኣብ ሕምብርቲ መቐለ ብልሙድ ቀበሌ 11 ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ውዕዉዕ ከበቢ ዝነብሩ ህርኩታት ወለዲ ሸውዓተ ቈልዑ ወሊዶም። ነጋዶ እዮም። እኽልን በርበረን የቕንዑ። ጽጌ፡ ካብዚ ስድራ ሓምሸይቲ ውላድ እያ። ኣብ ከሳቴ ብርሃን፡ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርታ ምስተመሃረት ናብ ዓዲ ሓቂ ተሳጊራ ኣብ ሻውዓይን ሻምናይን በፂሓ። ብድሕሪኡ ላዕለዋይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርታ ኣብ ሃፀይ ዮሃንስ ወጊና። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ሻድሻይ ክፍሊ ኮይና ፍቕሪ ኣቦ ምጥዕዓም ምስጀመረት፡ ወላዲኣ ብሕሱም ሞት ተመንጠለት። ወላዲታ ክንዲ ክልቲኦም ኰይነን ኣስናነን ነኺሰን ልዕሊ ፍርቂ ደርዘን ቈልዑ ከዕብያ፡ ኣዕብየን ኣምሂረን ናብ ቁዉም ነገር ከብፅሓ ብዓቐብ ናብራ ከይተሰኰና ቀፀላ። ካብ ማይነብሪ ኣእኻልን በርበረን ዓዲገን ብጅምላ ኣምፂኤን ኣብ ቀበሌ 11 ይሸጣ ነበራ። ፅገ ገብረስላሰ፡ እግሪ እግሪ ወላዲታ ብምጉዓዝ ጉና ጎኒ ትምህርታ ንግዲ ለመደት። ድርኩዅት ቤት ትምህርቲ ዘይረገፁ ወለዲ፡ ደቆም ብትምህርቲ ክዕወቱ ካብ ምክትታል ዝዓግቶም ድሕረት ኣይነበረን። ደቆም ካብቲ ንግዳዊ ስራሕ ዝያዳ ኣብ ትምህርቶም ከድህቡ ይምዕዱ፤ ኣቑሪሶምን ከዲኖምን ናብ ቤት ትምህርቲ ይስንዩ ነበሩ። ብፍላይ ወላዲታ፡ ኣሚነን ብሞት ምስሰኣና ኩሉ ፀውራ ኣብ ፃሕሊ እንግደዐን ወዲቑ፤ ግን ሕቘይ ኣይበላን፤ ኩሉ ፀይረን ጀጋኑ ኣምሲለን ከዕብያ ምስቲ ህልኽካ ዝፅንቅቕ ጉዕዞ ናብራ ገጠማ። ፅገ ፃዕሪ ወላዲታ ብዓወት ትምህርታ ክትክሕስ፡ ብፍላይ ድሕሪ ታሽዓይ ክፍሊ ብልፅቲ ተምሃሪት ኰይና ቅልቅል በለት፤ ብኣ 12 ክፍሊ እማ ካብ ክፍሊ ሳልሳይ ብምውፃእ ተሸሊማ፤ ስድራኣ ኣኹረዐት። ሳላ ንፍዕቲ ዘይልወ ሑቘ ዝወነና ወላዲታ፡ ምስ መዘናኣ ከም ብተይ ዘሊላን ተፃዊታን ዓብያ። ኣብ ገዛ ውሕልና እኳ እንተለመደት ሳላ ዓበይቲ ኣሓታ፤ ብስራሕ ገዛ ምሒር ከይተፀመደት ናብ ትምህርታ ኣድሂባ። ፅገ ጓልያቱ ካብ ሻድሻይ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ እውን ከመይ ዝበለት ልዕሊ ቁመታ ትነጥር ተፃዋቲት ኩዕሶ ኢድ ነይራ። ንመቐለ ዓዳ ወኪላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ገጢማ ኢያ። ፊደል እንተይኰነስ በሊሕ ሕልና ዝሃበን ወላዲታ ክሳብ ክንድ'ዚ ነፃነት ዝህባኣ ጓል ኰይና መጥላዕላዕ ኢላ ዓብያ። ኣብ ዝኣተወቶ "ይኽእል እየ" ዝብል ወነ ተሓንጊጣ ገስገሰት። ሕልፊ ዝበሎ ፡ "ካብቲ ዝነበርኩዎ ንላዕሊ ሰሪሐ ክፀንሐኩም'የ" ወላዲታ ኣሚነን ብህይወት እንተለዉ ዝጀመረኦ ንግዲ ብዕፅፊ ቀፂለነኦ፤ ሓፍታ እውን ንዓዲ ዓረብ ከይዳ ስድራኣ ክትሕግዝ ወፈረት። ከውሒ ዝፍንፅሕ ኰኾብ ዝወነነት ፅገ፡ መፃኢ ህይወታ ክተስምር ድልዱል መንገዲ ተፀሪጉላ። "ንዓይ ኣደያ ኢያ ሞዴለይ፤ ጠንካራ ኢያ፤ ኣብ ሰብ ኣይትፅጋዕን። ንሕና እውን ኣብ ሰብ ተፀጊዕና ክንዓቢ ኣይትደልን። ኣብ ትምህርትና ክንነፍዕ፣ገንዘባዊ ሓገዝ ክንረክብ፣እንይታነት ንግዲ ክንፈልጥ፣ ሰብ ናብርኡን ህይወቱን ብኸመይ ክቕየር ከምዘለዎ ዝብሉ ነገራት ኣምሂራትና ኢያ። ፍልይቲ ኣደ ኢያ ነይራ" ትብል ፅጌ። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ብሞት ተፈልያንኣ። "ኣነ ኣብ መንገዲ ኣየር ተቘፂረ፣ ሓዳር ገይረ ምስወለድኩ ኢያ ተፈልያትና" ብምባል ፅገ ተዘክሮኣ ተካፍል። ኢድ ሰብ ዘይምጥማትን ዓርስኻ ምኽኣልን ካብ ኣደይ ተማሂረዮ እትብል ፅገ፡ ኣብ ዝሓዝካዮ ምዕዋት ዝብል መትከል ካብ ኣደይ ወላዲተይ እየ ወሲደዮ። ፅገ ትምህርታ ብምምሕዳር ቤት ፅሕፈት እያ ጀሚራ፤ ብዲፕሎማ መርሃ ግብሪ ድማ ካብ ዩሚቨርሲቲ መቐለ ተመሪቓ። ብልጽቲ ኮይና ትምህርታ ስለዝዛዘመት ድማ፡ካብ ትእምት(ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ) ጠለብ ስራሕ ረኺባ፤ኣብ ኣዲስ ፋብሪካ መድሓኒት ዓዲግራት ብፀሓፍነት ተመዲባ። ኣብ መቐለ ካብ ስድራ ንዘይምርሓቕን ትምህርቲ ንምቕፃል ብዝነበራ ድልየት ናብ ዓዲግትራ ከይዳ ስራሕ ኣይጀመረትን። የግዳስ ኣብ መቐለ ሜጋ ቤት ሕትመት ብፀሓፍነት ክትሰርሕ ተቘፂራ። 40 መዓልታት ምስፀነሐት ድማ ኣብ ካልእ ዝሐሸ ስራሕ ስለዝረኸበት ናብ ኮምሽን ሳርት ኣተወት። ፅገ ዝሐሸ ስራሕ ንምርካብ ኣብ ሓደ ደው ክትብል ኣይመረፀትን። ኣብ ሳርት እውን ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ምስሰረሐት ክትዓግብ ስለዘይከኣለት ኣብ ውሽጢ እታ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ስራሕ ብምቕያር፡ ናብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ተወዳዲራ ሓለፈት። ኣብ ማሕበር ትግራይ እውን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ሰረሐት ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ተወዳዲራ ብፀሓፍነት ተቘፀረት። ኣብዚ ናይ ልባ ረኺባ ዝርገዐት ትመስል። 18 ዓመታት ድማ ሰረሐት። ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፅገ ገብረስላሴ ብነብሳ ሃርኳት ሰራሕተኛ ስለዝዀነት ስራሕ መንግስቲ ከም ቁፅርቲ እንተይኰነስ፡ ከም በዓልቲ ዋና መንፈስ ዘሕድር ወነ ሰኒቓ ትሰርሕ። ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፀሓፊት ኰይና ምስተቘፀረት ካብ ስራሕቲ ፅሕፈት ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ኢዳ ኣእትያ ምሕጋዝን ምስራሕን ቀፀለት። "ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ካብቲ ስረሐይ ብተወሳኺ ኣብ ክፍሊ ምትእንጋድ ኣጋይሽን ኣብ ክፍሊ ምሻጥ ትኬትን ኣብ ምሕጋዝ ይሰርሕ ነይረ፤ ብተወሳኺ ወርሓዊ ፀብፃብ ምስንዳእ እውን፡ ባዕለይ እየ ዝሰርሖ ነይረ። ኣብቲ ትካል 'እዚኣ ኢያ ናተይ ምድብ ስራሕ' ኢልካ ተሓፂርካ ኣይትሰርሕን፤ ኣብ ምትሕግጋዝ ኣሚነ ምስረሐይ ድማ ናብ ፅቡቕ ደረጃ ኣብፂሑኒ እዩ" ብምባል ትገልፅ። ፅገ፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብዝተሓተ ደረጃ ፀሓፍነት (ክለርክ ታይፕ ራይተር) ኢያ ስራሕ ጀሚራ። ቀፂላ ማእኸለይቲ ፀሓፊት፤ ካብኡ ድማ ብሳላ ፃዕራ ላዕለዋይ ፀሓፊት ኰነት። እዚ ኹሉ ክተሰርሕን ብስራሓ ደረጃታት ክትውስኽን እንተላ፡ ኣብ ትምህርቲ እውን ነፊዓ፤ ብኣተሓሕዛ ሕሳብ (ኣካውንቲንግ) ምሸታዊ ተማሂራ፤ ብዲግሪ ተመሪቓ። ኣብቲ ሽዑ ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ፅገ ብምሰረት ውፅኢት ስራሓ፡ ካብ ፀሓፍነት ናብ ክፍሊ ምሻጥ ትኬት ክትዓቢ ኣለዋ ዝብል ድጋፍ ይህቡ ነበሩ። ነቲ ትካል ጠቒማ ንሳ እውን ክትጥቀም ናብቲ ደረጃ ክትዓቢ ኣለዋ ዝብል ዝጠንከረ ርእይቶ የነፀባርቑ ነይሮም። ደረጃ ትምህርታን ሞያኣን ስለዘዕበይት፣ ውፅኢት ስራሓ ተገምጊሙ፣ርእይቶን ድጋፍን ሓለቕቶት ኣብ ግምት ኣትዩ፣ግቡእ ስልጠና እውን ረኺባ፡ መሰስ ኢላ ናብ ክፍሊ መሸጣ ትኬት ዓበየት። ፅገ ኣይትሕለልን፡ ብስራሕ ክትዓቢ እንተዀይና ክእለታ ብሞያ ክድግፈ ከምዘለዎ ኣፀቢቓ ስለትኣምን ብትምህርትን ስልጠናን ጐልቢታ ትቐርብ። በዚ ኣቢላ ድማ ነዊሕ ኣሚታ ትዕወት። ምእንተ ዕብየት ሞያን ክእለትን ካብቲ ዝነበረቶ ፀሓፍነት ናብ ትሑት ክፍሊት እትረኽበሉ ግን ድማ ፅባሕ ብሞያ እትዓብየሉ ደረጃ ተቘፂራ። "ኣብ ትኬት ኦፊስ ጀማሪት ኰይነ እየ ተቘፂረ። ክለርክ ይበሃል። ብድሕሪኡ ማእኸላይ ብርኪ ኤጀንት ኰይነ፣ ካብኡ ምሉእ ካስተመር ኤጀንት ብምዃን ዓብየ። በብደረጅኡ ቀፂለ። ኣብዚ መስርሕ'ዚ ትምዘነሉ ኣካይዳ'ሎ፤ ናትካ ስራሕ ምስራሕ እንተይኰነስ ቅድሚኡ ዝሰርሖ ዝነበርኩ ናይ ፀሓፍነት ስራሕ እውን እሰርሕ ነይረ። ብኸምዚ ዝበለ ተገዳስነት እንተሰሪሕኻ ድማ ብግድን ትዓቢ ኢኻ። ስራሕኻ እዩ ዘዕበየካ" ብምባል ጉዕዞ ዕብየት ደረጃታት ስራሓ ተዘንትው። ፅገ ካብቲ ዝተሓተ ብርኪ ስራሕ፡ ደረጃ ብደረጃ ተጓዒዛ፤ ስራሓ ብፍቕርን ሓልየትን ብምፍፃማ፡ ክትዕወት ግድን እዩ። እዚ ኹሉ ምስሓልፈት ሓላፊት ጉጅለ ክፍሊ መሸጣ ትኬት ኰይና ክትመርሕ ዕብየት ስራሕ ረኸበት። ተተካኢት ሓላፊ ኰይ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ሰረሐት ኢያ ናብቲ ደረጃ በፂሓ። "መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንደቀንስትዮ የተባብዕ እዩ፤ እዚ ማለት ኣብ ዘይዓቕምኻ ጓለንስትየቲ ስለዘዀንኩ ዕብየት ይወሃበኒ ማለት ኣይኰነን። ብመሰረት ውፅኢት ስራሕኻ ትዕቀን። ኣብቲ ትካል ዝሰረሐ ይዓቢ እዩ። ብድሕሪኡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጨንፈር መቐለ ኣመሓዳሪት(ኤርያ ማናጀር) ኰይነ"። ፅገ ጓል'ያቱ፡ ተለሓሒፃን ነብሳ ኣሕሲራን ኣብ ተፈትዎ ስራሕ ብምጉዓዛ፡ ዓወት ኢያ ተገዚማ። ወዮ ትምህርቲ እውን፡ ነቲ ዝበፀሐቶ ደረጃ ዕብየት ስራሕ ጥጡሕ መንፀፍ ኰይኑዋ እዩ። ስለ'ዚ ናብቲ ምምሕዳራዊ ስራሕን ሓላፍነትን ንኽትበፅሕን ተወሳኺ ሞያ ምምሕዳር ብደረጃ ዲግሪ ተማሂራ ኢያ። ብድሕሪኡ እውን ምምሕዳራዊ ዕዳጋ ብደረጃ ካልኣይ ዲግሪ ተማሂራ። ፅገ፡ ነተን በይነን ሸውዓተ ቈልዑ ኣዕብየን ከምህራ ሑቘይ ዘይበላ ተባዕ ኣዲኣ ኣብ ቅድሚ ሕልናኣ ስኢላ ገስገሰት። ሓቦን ኒሕን ሰኒቓ ኩርንባ ታባን ናብራ መቐነታ ኣፅኒዓ መሰስ በለት። ክትፍፅም ትሓስብ፤ ዝሓሰበቶ ድማ ትፍፅም ኰነት። ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ዝበለፀ ዝሰረሐ ብውፅኢት ስርሑ እናተመዘነ ከምዝዓቢ ይዝረብ። ፅገ ድማ ብውፅኢት ስራሓ ተመዚና፡ ሕዚ እውን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ስራሕ ተሓፅያ ኣላ። ኣብ ኬንያ ሞምባሳ ንዘሎ ቤት ፅሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንኽትመርሕ ተሸይማ። ዕድሚኣ ኣብ ትምህርትን ስራሕን ክተሕልፍ እንከላ፡ ኣዲኣ ክትመስል ሓዳር ኣይረሰዐትን። ተመርዕያ፤ ቈልዑ ወሊዳ። "እዚ ኹሉ እንትኸውን ናይ በዓል ገዛይ ሓገዝ ኣለኒ። ሓገዝ በዓል ገዛኻ እንተሃልዩ እዩ ድማ ዕዉት እናዀንካ ትኸይድ። ሰለስተ ቈልዑ ኣለዉና። እናሰራሕኹ፣ እናተመሃርኩን እናወለድኩን እየ ተጓዒዘ። በዓል ገዛይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር እዩ። ካብ ትምህርቲ ክሳብ ኣብ ገዛ ብኹለመዳይ ይሕግዘኒ" ትብል። ፅገ ገረስላሴ፡ ዳርጋ ፍርቂ ዕድሚኣ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሕሊፋቶ ኣላ። እቲ ትካል ክሳብ ከም ገዛኣ ትሓስቦ ትፈትዎ። ሓደሓደ ግዜ ካብ ገዛኣ ንላዕሊ ነቲ ትካል ትሓስበሉ እዋን ከምዘሎ ትገልፅ። ኣጋይሽ ከይኸፍኦም እሞ ስም እቲ ትካል ከይረስሕ ዝከኣላ ዘበለ ኩሉ ከምትፅዕር ነጊትራና። ኣብ ገለ እዋን፡ ሓላፊ ኣብ ዘይነብረሉ እዋን ኣብ ክንድኡ ተኪኣ ትሰርሕ። ትግደስ። ገና ፀሓፊት ኰይና ምስተቘፀረት፡ እቲ ትካል ዝሐሸ ውፅኢት ረኺቡ ክምዕብል እሞ ንሳ እውን ክትዓቢ ሃቂና ትሰርሕ ነይራ። ኣብ ሕልማ ዝሰኣለቶ ድማ ኣብ ባይታ ረኺባቶ። "ሕዚ ሓለቓ እየ ዝብል መንፈስ የብለይን፤ ወሪደ እየ ዝሰርሕ። ሓላፍት ኢየ ኢለ ኰፍ ኢለ ኣይከታተልን። ሰብ ሞያ እንተጐዲሉ፡ ኣጋይሽ ከይጉድኡ ተኪኤ እሰርሕ። በዝሒ በረራ ክህልወና እንተሎ፡ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ከይደ እድግፍ። ክሳብ ሻንጣ ምፅዓን ተሓጋጊዘ እሰርሕ። እቲ ሓላፍነት ብስራሕ እዩ ዝመፅእ፤ ኣባይ መንፈስ ስራሕ እዩ ዘሎ ኢለ እኣምን" ኢላ ፅገ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዉ ዕዉታት መንግስታዊ ትካላት ብቐዳመነት ይፅራሕ። ኣብ ዓለማዊ መድረኻት'ውን ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ተዓዊቱ። መንግስቲ እንትጋገ መን ይቐፅዖ? መስተንክራዊ ዛንታ ኣትሌት ምሩፅ ይፍጠር ፅገ ኣብቲ ትካል ብምስራሓ ኣዝያ ትሕጐስ። ኣብቲ ትካል ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ከዝወሃብ ስለትኣምን፡ ኣብ ካልእ መንግስታዊ ትካላት ተገልጋሊት ኰይና ኣብ ትኸደሉ እዋን በቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ብፍፁም ኣይትዓግብን። እቲ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኣብ ካልኦት ትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽልመድ ትምነ። ከማና ንኻልእ ይግበረሉ በሃሊት ኢያ። ፅገ ሕዚ እውን ትምህርቲ ኣይፀገበትን። ናብ ደረጃ ትምህርቲ ዶክትሬት (ፒኤችዲ) ንኽትቅፅል ትእምት ኣላ። ስራሕ ንስልጣን ኣይኰነን ዘድሊ ኢላ ትኣምን። ሰብ ንባዕሉ ምስ ዓገበ እዩ ሰባት ብኣገልግሎት ክዓግቡ ዘኽእሎም። "ዝለዓለ ኣገልግሎት ክህብ እንተዀይነ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበፅሕ ኣለኒ" ኢላ ብፅንዓት ትኣምን። መገዲ ኣየር ቀጠር ኣብ መላእ ዓለም ንሰብሞያ ሕክምና 100 ሽሕ መምለሲ ትኬት ብነጻ ክህብ'ዩ መገዲ ኣየር ቀጠር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንዝወፈሩ ሰብ ሞያ ሕክምና 100 ሽሕ መምለሲ ትኬት ብነጻ ክህብ ቃል ኣትዩ። ዋና ፈጻሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣክባር ኣል-ባከር፡ ሰባት ብነፋሪት መገሻ ንምግባር ዘለዎም ድልየቶም ብ2023/2024 እውን እንተተመሊሱ "ብጣዕሚ ከምዝግረም" ተዛሪቡ። ብፍላይ ንስራሕ ዝግበሩ መገሻታት ብቕልጡፍ ናብ ዝነበርዎ መጠን ክምለሱ ከምዘይክእሉ ኣጠንቂቑ። እቲ መገዲ ኣየር ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን ናብ 30 መዓርፎ ነፈርቲ በረራ ኣብ መክያድ ይርከብ። ቅድሚ እቲ ለበዳ ናብ 165 ቦታታት ይበጽሕ ነይሩ። ክሳብ መዛዘሚ ወርሒ ሰነ ድማ እቶም ዝበጽሓሎም መዓርፎታት 80 ከብጽሖም ተሊሙ'ሎ። ኣል-በከር ንወኪል ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ዝካየዱ በራታት መናብር ነፈርቲ ካብ 50 ክሳብ 60 ሚኢታዊት ከምዝመልኡ ኣተንቢሁ። ገያሾ ኣብ እዋን በረራ ኣካላዊ ርሕቐቶም ክሕልዉ ክምዕድ ምዃኑ'ውን ኣዘኻኺሩ። እቲ መገዲ ኣየር ሎሚ ሰኑይ ወግዓዊ ከምዝገበሮ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ኣንፃር ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዝወፈሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ናብ ዓዶም ዝምለሱሉ 100 ሽሕ ትኬታት ብነጻ ክህብ'ዩ። ረቒቕ ጸብጻብ ሓደጋ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ንቦይንግ ሓላፍነት የሰክም ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ በረራኣ ወዲቓ 157 ትንፋስ ዘጥፈአትን ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ኣብታ ነፋሪት ብዝነበረ ጸገም ምዃኑ ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ ኣሜሪካ ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ ረቂቕ ጸብጻብ ዘለዎ ቅርታ ከስምዕ ወይ ክቕየር ሓሳብ እንተሃሊዩዎ ከቕርብ ዕድል ከም ዝተውሃቦ፡ እቲ ጸብጻብ ዕላዊ ስለ ዘይኾነ መንነቶም ከይግለጽ ሰባት ገሊጾም ክብል ሮይተርስ ጸብጺቡ። ወሃቢ ቃል እቲ ቦርድ ኤሪክ ዌይስ፡ እቲ ረቂቕ ጸብጻብ ከም ዝበጽሖ እንተገለጸ'ውን፡ ነዚ ጸብጻብ ዝልውጥ ሓሳብ ብምቕራብ ሕቶ ከቕርቡ ይኽእሉ'ዶ ንዝብል ርኢይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ። ቦይንግ'ውን ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ ዘለዎ ምላሽ እንታይ ምዃኑ ተሓቲቱ ክምልስ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ነዚ ረቂቕ ጸብጻብ ዕላዊ ዝገበረ ብሉምበርግ ኒውስ ድማ፡ እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ መገዲ ኣየር ኢትዯጵያ'ኮነ ኣሰራርሓ ሰራሕተኛታት በረራ ዝምልከት መደምደምታ ወይ ኣንፈት ብዘይምቕማጡ፡ ኣብቲ መርመራዊ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ሰባት ሕቶ ኣልዒሉ። ዋንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት ዝበጽሓ ሓደጋ ዝምልከት ዝተዳለወ ረቂቕ ጸብጻብ፡ ኣብ ሶፍትዌር መቆጻጸሪ በረራ እታ ነፋሪት ብዝነበረ ጸገም፡ ምስ ብጌጋ ኣብረርቲ ዘጋጠመ ምዃኑ ዝተነግረ ሓደጋ ነፋሪት ኢንዶኖዢያን መገዲ ኣየር ላየን ኤር ዝወጽአ ጸብጻብ ከም ዝተነጻጸረ ተሓቢሩ ኣሎ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ኬንያ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ 302፡ ክትበርር ምስ ተበገሰት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ዘሳፈረቶም 157 ሰባት ከምዝሞቱ ዝዝከር'ዩ። 32 ኬንያዊያን፣ 18 ካናዳዊያን፣ 18 ኢትዮጵያዊያን ሓዊሱ ዜጋታት 33 ሃገራት ዝኾኑ 157 ሰባት ህይወቶም ዝሰኣኑሉ ቀዳማይ ዓመት እዚ ሓደጋ፤ መገዲ ኣየር ኢትዯጵያ ሰሉስ 10 ማዝያ ዘኪሩዎ ከም ዝውዕል ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ድሕሪ እዚ ሓደጋ፡ ኣብ ዓለም ዝርከባ ቦይንግ 737 ማክስ ካብ በረራ ክእገዳ ተገይሩ። ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ካናዳ ሓንቲ ህጻን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይምግባራ በረራ ተሰሪዙ እቲ ጉዳይ ንብዙሓት ኣገሪሙ'ሎ። ማእከል ናይቲ ዜና ጓል 19 ወርሒ ህጻን እያ። መገዲ ኣየር ዌስትጄት ኩሎም ተጓዓዝቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ'ዩ ዘተሓሳስብ። በዚ ምኽንያት እታ ምስ ወለዳ ዝነበረት ህጻን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክግበረላ ኣብ ዝተፈተነሉ እዋን ኣምሪራ ትበኪ። ወለዳ ጥራይ ዘይኮኑስ ኣሳሰይቲ መንገዲ ኣየር ከይተረፉ ብዝኸኣልዎ እንተፈተኑ'ኳ ክሰምረሎም ብዘይምኽኣሉ እቲ በረራ ናብ ምስራዝ ተበጺሑ። እቲ መገዲ ኣየር ግን እቲ ጉዳይ ካልእ ይብል። ምኽንያት ምስራዝ በረራ እታ ጓል 19 ወርሒ ህጻን ከምዘይኮነት ድማ ይገልጽ። "ኣብቲ ንሳ ዘላትሉ ዕድመ ዘለዉ ህጻናት መሸፈኒ ክገብሩ ኣይግደዱን" ድማ ይብል። እቲ መገዲ ኣየር ነዚ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ "እታ ህጻን ዘይኮነትስ ካልእ ቆልዓ 3 ዓመት ሓፍታ ነይራ፤ ንሳ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ግበሪ ክትበሃል ከላ ስለዝኣበየት ኢና ነቲ በረራ ዝሰረዝናዮ" ክብል የረድእ። ወለዲ እታ ህጻንን ካልኦት ተጓዓዝትን ግን "መገዲ ኣየር ዌስትጄት ከምዝበሎ ኣይኮነን፤ እታ ቆልዓ 3 ዓመት መሸፈኒ ገይራ ነይራ'ያ" ዝብል ቃል ሂቦም ኣለዉ። እቲ ክስተት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ብሞባይል ስልኪ ዝተቐድሐ (ዝተቐረጸ) ቪድዮ ድማ እታ ቆልዓ 3 ዓመት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይራ ምንባራ የርኢ። ፖሊስ ብወገኑ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን እታ ቖልዓ ነቲ መሸፈኒ ገይራ ከምዝረኸባ ገሊጹ'ሎ። እቲ በረራ ካብ ከተማ ካልጋሪ ናብ ከተማ ቶሮንቶ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን እታ ነፋሪት ካብ መበገሲኣ ከይተልዓለት ተጓዓዝቲ ክወርዱ'ዩ ተገይሩ። ኣቦ እተን ቆልዑ ዝኾነ ኮድሃሪ "እታ ነፋሪት ክትለዓል ኣብ ዝተዳለወትሉ እዋን ጓል 3 ዓመት ጓለይ ቁርሲ ትበለዕ ነይራ። ሓንቲ ኣተኣናጋዲት [ሆስተስ] መጺኣ መሸፈኒ ክትገብር ሓቲታታ" ክብል ተዛሪቡ። ብድሕሪኡ ጓል ሰለስተ ዓመት ጓሎም መሸፈኒ ከምዝገበረት ብምግላጽ "እታ ንኡሽተይ ግን ኣብያ። መሸፈኒ ምስገበርናላ'ውን ኣምሊሳ" ኢሉ። መገዲ ኣየር ዌስትጄት "ትዕግስቲ የብሉን" ብምባል ድማ እታ ንኡሽተይ ጓሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይምግባራ በረራ ከምዝተሰረዘ ኣረዲኡ። ካብታ ነፋሪት ንኽወርዱ ኣብ ዝተሓተቱሉ እዋን'ውን ምፍርራሕ ዝተሓወሶ ምንባሩ ንቢቢሲ ገሊጹ። 18 ዓመታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተቐመጠ ኢራናዊ ሞይቱ መህራን ካሪሚ ናሰሪ ዝተባህለ ኢራናዊ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ፓሪስ - ሮይሲ ቻርለስ ዲ ጉለ ንእሽቶ ስፍራ ሒዙ መንበሪኡ ክገብራ ካብ ዝጅመረ ኣብ 1988 [ኣ. 18 ዓመታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተቐመጠ ኢራናዊ ሞይቱ መህራን ካሪሚ ናሰሪ ዝተባህለ ኢራናዊ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ፓሪስ - ሮይሲ ቻርለስ ዲ ጉለ ንእሽቶ ስፍራ ሒዙ መንበሪኡ ክገብራ ካብ ዝጅመረ ኣብ 1988 [ኣ. ኣ] እዩ ነይሩ። ተመኵሮ ናስሪ፡ ነታ ኣብ 2004 ንዝተሰናድአት፡ ቶም ሃንክስ ደሚቝ ዝተራእየላ ፈልም ‘ዘ ተርሚናል’ ንኽትስራሕ ኣበጊሱ’ዩ። ናስሪ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ኣብ ፈረንሳ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎ ዝነበረ ኰይኑ፤ እንተዀነ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሱ መወዳእታ ህይወቱ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኰይኑ። ንሱ ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያት ከምዝሞተ ሰበስልጣን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ገሊጾም ኣለው። ኣብ ኢራን ወረዳ ኩዘስታን ኣብ 1945 ዝተወልደ ናስሪ፡ ወላዲቱ ንምእላሽ ፈለማ ናብ ኣውሮጳ እዩ ከይዱ። ንሱ፡ ብቝዕ ሰነዳት ስደተኛታት ብዘይምሓዙ ካብ ሃገራት ብሪጣንያ፡ ነዘርላንድን ጀርመንን ድሕሪ ምስጓጉ፡ ንሒደት ዓመታት ኣብ በልጅየም ተቐሚጡ። ካብኡ ንደሓር ግን ናብ ፈረንሳይ ከይዱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተርሚናል '2F' ክነብር ጀሚሩ። ኣብ ዘመነ ህይወቱ ዘጥረዮ ንብረት ብዝተሰከማ ንኣሽቱ ዓረብያታት ተኸቢቡ ኣብ ኮፍ መበሊኡ ኣራጢጡ ዝርአ ናስሪ፡ ህይወት ታሪኹ ኣብ መዘክር እናጸሓፈ፡ መጽሓፍትን ጋዜጣን እናንበበን ኣሕሊፍዎ። ዛንታኡ ቀልቢ ዓለምለኻዊ ማዕከናት ዜና ክስሕብ እንከሎ፡ ፍሉይ ትዅረት እቲ ንፊልም ‘ዘ ተርሚናል’ ዝኣለየ ስተቨን ስፒልበርግ ረኺቡ። እቲ ዛንታኡ ምርኩስ ገይሩ ዝተሰርሐ ፊልም ናብ ተዓዘብቲ ምስቀረበ፡ ጋዜጠኛታት ነቲ ኣብ ሆሊዉድ ዝተሰናድአ ፊልም ክስራሕ ምኽንያት ዝዀነ ናስሪ ንምዝራብ ተጓዮም። ኣብ ዝዀነ እዋን እቲ ንገዛእ ርእሱ ‘ሰር ኣልፍረድ’ ኢሉ ዝጽውዕ ናስሪ፡ መዓልታዊ ክሳዕ ሽዱሽተ ቃለ መጠይቓት ዝህበሉ ኣጋጣሚታት ከምዝነበረ ሌ ፓሪሰን ጸብጺባ። ናስሪ፡ ኣብ ፈረንሳይ ክነብር ዘኽእሎ ወረቐት ስደተኛታት ኣብ 1999 እኳ እንተረኸበ፡ ንሱ ግን ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሱ ክሳዕ 2006 ተቐሚጡ። ድሕሪኡ ሕክምናዊ ናብዮት ክረክብ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ዝነበረ ኰይኑ ካብቲ ብዛንታኡ ዝተሰርሐ ፊልም ዝረኸቦ ገንዘብ ተጠቒሙ ኣብ ቤት መግብን መደቀስን ይነብር ከምዝነበረ ሊበሬሽን ዝተሰምየት ጋዜጣ ፈረንሳ ኣቃሊሓ። ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሱ ክሳዕ መወዳእታ ህይወቱ ከምዝጸንሐ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸር ዩሮ ከምዝተረኸቦ ገሊጾም። መን ምስ መን፡ ምድባት ኣውዲቕካ-ምሕላፍ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ተፈሊጡ ዕጫ ዙር 16 ቻምፕዮንስ ሊግ ሎሚ ኣብ ዝወደቐሉ እተን ዓሚ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ዝተጋጠማ ሊቨርፑልን ርያል ማድሪድን ክራኸባ’የን። ንቻምፕዮንስ ሊግ ክብረ ወሰን ብምሓዝ 14 ግዜ ዝተዓወተትሉ ርያል ማድሪድ ምስታ ዓሚ ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ረኺባ ሓደ ንዜሮ ዝሰዓረታ ሊቨርፑል ክትገጥም'ያ። ተዓዋቲት ፕረሚየርሊግ እንግሊዝ ዝሓለፈ ዓመት ማንቸስተር ሲቲ ብወገና፡ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ኣር ፒ ለይፕዚግ፣ ቶተንሃም ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ኤሲ ሚላን ክገጥማ ዕጫ በጺሕወን ኣሎ። ብዘይካ'ዚ፡ ቸልሲ ኣንጻር ጀርመናዊት ክለብ ቦርሽያ ዶርትመንድ፣ ፈረንሳዊት ፒኤስጂ ድማ ምስ ጀርመናዊት ባየር ሙኒክ ክራኸባ'የን። ናፖሊ ኣንጻር ፍራንክፈርት፣ ኢንተር ሚላን ኣንጻር ፖርቶ፣ ብሩዥን ኣንጻር በነፊካ ዝግበራኦ ግጥም እቲ ዝተሓተ ግምት ዝተዋህቦ ጸወታ ምዃኑ ብኣግኡ ተፈሊጡ'ሎ። እታ ንቻምፕዮንስ ሊግ ሽዱሽተ ግዜ ዝተዓወተትሉ ሊቨርፑል ብወገና፡ ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ናይ ሕጂ ሓዊስካ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ንራብዓይ ግዜ’ያ ኣንጻር ርያል ማድሪድ ትገጥም ዘላ። ካብዚ እቲ ክልተ ብዓወት ርያል ማድሪድ ዝተዛዘመ ግጥም ፍጻመ’ዩ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ ርያል ማድሪድ ኣብ 2020-2021’ውን ንሊቨርፑል ኣብ ርብዒ ፍጻመ ክትግልፋ ክኢላ’ያ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ውድድር ወናኒት ዋንጫ ፕሪምየርሊግ ክትከውን ዝኽኣለት ማንቸስተር ሲቲ ነታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ከብሓ ክትሰቕላ ዘይክኣለት ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ንምዕታር መንገዲ ንኽትጸርግ ነታ ኣብ ቡንደስሊጋ ጀርመን ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ኣር ፒ ለይፕዚግ ክትስዕራ ጥራይ’ዩ ዘለዋ። ንቻምፕዮንስ ሊግ ክልተ ግዜ ዝተዓወተትሉ እንግሊዛዊት ክለብ ቸልሲ'ውን ኣንጻር ቦርሽያ ዶርትመንድ እትገብሮ ጸወታ ካብ ሕጂ ኣቓልቦ ረኺቡ ዘሎ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብ 2018-2019 ኣንጻር ሊቨርፑል ናብ መዛዘሚ ጸወታ ቻምፕዮንስ ሊግ በጺሓ ዝተሳዓረት እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃምን እታ ሸውዓተ ግዜ ዘውዲ ቻምፕዮንስ ሊግ ዝደፍአት ኢጣልያዊት ኤሲ ሚላን ድሕሪ 11 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ክራኸባ እየን። ብድሙቕ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣርጀንቲናዊ ሊዮነል ሜሲ፡ ብራዚላዊ ነይማር፡ ከምኡ'ውን ፈረንሳዊ ምባፐን ዝመራሕ መስመር መጥቃዕቲ ፒኤስጂ ኣንጻር ሓያል ጋንታ ባየር ሙኒክ ዝገብሮ ጸወታ ምናልባት እቲ ክትግምቶ ኣዝዩ ዘጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ። ናይዘን 16 ጋንታታት ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ካብ 14 ክሳብ 22 ለካቲት ኣብ ዘሎ ክልተ ሳምንታት ክካየድ'ዩ። ካልኣይ እግሪ ድማ ካብ 7 ክሳብ 15 መጋቢት ክውዳእ'ዩ። ኣብቲ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክርፍስ ዝዕወታ 8 ጋንታት ድማ ናብ ርብዒ ፍጻመ ክሓልፋ እየን። ህዝቢ ዓለም 8 ቢልዮን ዝመልአ ቈልዓ ተወሊዱ፤ 5ይ፡ 6ይን 7ይን ቢልዮን ከ በዓል መን ነይሮም? ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ድሕሪ 11 ዓመታት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ካብ ሸውዓተ ቢልዮን ናብ ሸሞንተ ቢልዮን ከም ዝዓበየ ኣፍሊጡ። ኣብ ካልኣይ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ዓቢይ ወሰኽ ዘርኢ ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ኣብዚ እዋን ክዝሕትል ክጅምር እዩ። ድሕሪ ሕጂ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ትሸዓተ ቢልዮን ንኽመልእ 15 ዓመታት ክወስድ ይኽእል’ዩ፤ ክሳብ 2080 ከኣ ዓሰርተ ቢልዮን’ውን ክመልእ ትጽቢት ኣይግበርን። ብዝሒ ሰባት ዓለም ብልክዕ ክትግምቶ ቀሊል ኣይኰነን። ሎሚ 15 ሕዳር 2022 ግን እቲ ሸሞንተ ቢልዮን ክሰግር’ዩ ዝብል ግምት ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ሕቡራት ሃገራት ነቶም መበል ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተን ሸውዓተን ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝውክሉ ዕሸላት መሪጹ ነይሩ። ስለዚ ዛንታታቶም ብዛዕባ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እንታይ ክነግረና ይኽእል? ኣብ ሓምለ 1987 ዓ.ም [ኣ.ኣ] ካብ ዝውለድ ቅሩብ ደቓይቕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ማቴጅ ጋስፓር ኣብታ ንእሽቶ ገጹ ካሜራ ብልጭ ኢላ ስእሊ ስኢላቶ፤ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ድማ ነታ ብሕርሲ ዝደኸመት ኣደኡ ከቢቦምዋ ነይሮም። ኣብቲ ግዜ፡ በዓል መዚ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ እንግሊዛዊ ኣሌክስ ማርሻል፡ "ብመሰረቱ ነቲ ትንበያታት ብምርኣይ፡ 1987 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፡ ሓሙሽተ ቢልዮን ክሓልፍ እዩ ዝብል ሓሳብ ሓሊምናዮ" ይብል። "እቲ ስታቲስቲካዊ ዕለት ድማ ​​11 ሓምለ እዩ ነይሩ።” ስለዚ፡ ኣብታ ዕለት ኣብ ዓለም መበል ሓሙሽተ ቢልዮን ህጻን ከጠምቝ ወሲኖም። እቲ ሓሳብ ንምጽራይ ናብ ክኢላታት ስነ ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ምስ ከደ ተቘጢዖም። "ካብ ብዙሓት ሓደ ውልቀሰብ ክንመርጽ ኣይነበረናን” ይብል። ግን ገይሮምዎ። ኣብታ ዕለት፡ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣበይ ከም ዝኸውን ፈሊጥናዮ ስለ ዝጸናሕና፡ እቲ ዕላማ፡ ነታ ቝጽሪ ዝኸውን ገጽ ምድላይ’ዩ ነይሩ” ኢሉ። ድሕሪ 35 ዓመት፡ መበል ሓሙሽተ ቢልዮን ህጻን ዓለምና ነቲ ናብዛ ዓለም ዝተጸምበረሉ ስነ ስርዓት ክርስዕ ይፍትን ኣሎ። ናይ ፈይስቡክ ገጹ፡ ኣብ ዛግረብ ይነብር ከም ዘሎን፡ ሕጕስ ሓዳር ከም ዘለዎን ክኢላ ኬሚካል ኢንጂነር ከም ዝዀነን ይሕብር። ንሱ ግን፡ ቃለ መጠይቓት ኣይህብን፤ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ’ውን ኣይተቐበሎን። ኣሌክስ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ልደት ማቴጅ ዝነበረ ናይ ሚድያ ዕግርግር ዘኪሩ፡ "እዋእ፡ ኣይወቕሶን እየ" ይብል። ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኣብ ዓለም ሰለስተ ቢልዮን ሰባት ተወሲዀም። ኣብ ዝቕጽሉ 35 ዓመታት ግን፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና ብኽልተ ቢልዮን ጥራይ’ዩ ክውስኽ፤ ድሕሪኡ ድማ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ክድይብ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ 2011 ዓ.ም [ኣ.ኣ] ዝተወልደት ሳዕድያ ሱልጣና ኦሺ፡ ሓንቲ ካብቶም መበል ሸውዓተ ቢልዮን ህጻናት ተባሂላ ኣብ መዝገብ ሰፊራ እያ። ጓል 11 ዓመት ሳዕድያ፡ ምስ ወለዳ ኣብ ባንግላድሽ ትነብር። ኣደ ሳዕድያ፡ ኣብቲ ዕለት እንታይ ይፍጠር ምህላው እትፈልጦ ነገር ኣይነበራን፤ በዚ ዕለት እዚ እየ ክወልድ ዝብል ግምት’ውን ኣይነበራን። ሓካይም፡ ናብ ሃንደበታዊ ናይ መወላዲ ክፍሊ ምስ ወሰድዋ ግን፡ ኦሺ ፍርቂ ለይቲ ምስ ሓለፈ ድሕሪ ሓደ ደቒቕ ክትውለድ እንከላ፡ ብጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣንን እቲ ከባቢ ተኸቢባ ነይራ። ስድራ ሳዕድያ፡ ሰንቢዶም ግን ተሓጒሶም። ዶክተር ክትከውን ድልየት ኣለዋ። ኣቦኣ፡ “ሃብታማት ኣይኰንናን፤ ኮቪድ ከኣ ናብራ ኣኽቢድዎ። ግን ሕልምታታ ጋህዲ ንኽገብር ዝኽእሎ ኵሉ ክገብር’የ” ይብል። ሳዕድያ ኦይሺ ካብ እትውለድ ንደሓር፡ ኣብቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ባንግላድሽ ካልኦት 17 ሚልዮን ሰባት ተወሲዀም’ዮም። እዚ ዕብየት እዚ ዓቢይ ታሪኽ ዓወት ሕክምና ኰይኑ፡ ባንግላድሽ ትሰፍሓሉ ዘላ ናህሪ ግን ኣዝዩ ዝሕታለ ኣርእዩ። ኣብ 1980፡ ማእከላይ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክህልዋ ዝኽእል ቈልዑ ልዕሊ ሽዱሽተ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ትሕቲ ክልተ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ድማ፡ እታ ሃገር ኣብ ትምህርቲ ብዝገበረቶ ዓቢይ ትዅረት ዝመጽአ ለውጢ’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ምስ ተማህራ፡ ንኣሽቱ ስድራቤታት ክህልወን ይመርጻ። እዚ ድማ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ናበይ ሸነኽ ክኸይድ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ንምርዳእ ወሳኒ እዩ። እቶም ብዛዕባ ዓለማዊ ብዝሒ ህዝቢ ትንበያታት ዝገብሩ ሰለስተ ቀንዲ ኣካላት - ሕቡራት ሃገራት፡ ኢንስቲትዩት መለክዒታትን ገምጋምን ጥዕና (IHME) ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተንን ኣብ ቪየና ዝርከብ ማእከል IIASA-ዊቲግንስተንን ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ ዝረኽብዎ ግምታት ዝተፈላለየ እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብ 2080ታት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ምዃኑን 10.4 ቢልዮን ከም ዝበጽሕን ይገልጽ። IHMEን Wittgensteinን ግን እዚ ቅድሚኡ ክብጻሕ ዝኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ። በዚ መሰረት ካብ 2060 ክሳብ 2070 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ትሕቲ 10 ቢልዮን ክኸውን’ዩ ይብሉ። እዚኦም ግን ትንበያታት ጥራይ እዮም። ኦይሺ ኣብ 2011 ካብ እትውለድ ንደሓር ኣብ ዓለም ብዙሕ ተቐይሩ እዩ። ተመራመርቲ ስነ-ህዝቢ ድማ ብቐጻሊ ይግረሙ። "ብሰንኪ ኤይድስ ዘጋጥም ሞት ክንድ’ዚ ዝኣክል ቍጽሪ ክንኪ’ዩ፤ እቲ ሕክምና’ውን ክንድዚ ዝኣኽሉ ሰባት ከድሕን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረናን” ይብል ክኢላ ስነህዝቢ IIASA ሰሚር ኬሲ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ቍጽሪ ካብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ዝውለዱ ህጻናት ብማእከላይ ገምጋም ናብ 0.81 ምስ ወረደ፡ ተመራመርቲ ስነ-ህዝቢ ከም ዝሰንበዱ ሰሚር ኬሲ ይዛረብ። "እሞ፡ እዚ ክሳብ ክንደይ ክትሕት ይኸውን? እዚ ንዓና ዓቢይ ሕቶ'ዩ።" እዚ፡ ሃገራት ብብዝሒ ክቃለሳኦ ዘገድደን ዘሎ ነገር እዩ። ፍርቂ ካብቶም ዝቕጽሉ ሓደ ቢልዮን ሰባት ካብ ሸሞንተ ሃገራት ጥራይ ዝመጽኡ ኰይኖም፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ እየን። ሕጂ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዘሎ መጠን ወሊድ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ 2.1 ቈልዑ ዝተሓተ እዩ። እዚ ድማ ንሓደ ህዝቢ ንምቕጻል ዘድሊ ቍጽሪ እዩ። ቦስንያ-ሄርዜጎቪና፡ ኣብ ዓለምና ብቕልጡፍ ዝንኪ ብዝሒ ህዝቢ ካብ መንጐ ዘለወን እያ። ወዲ 23 ዓመት ኣድናን መቪች ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ይሓስብ። "ንጡረተኛታት ጡረታ ዝኸፍል ሰብ ክተርፍ ኣይክእልን'ዩ። ኵሎም መንእሰያት ክጠፍኡ እዮም” ዝብል ስግኣት ኣለዎ። ብኢኮኖሚክስ ካልኣይ ዲግሪ ኣሎዎ፤ ስራሕ ግን የብሉን። እንተዘይረኺቡ ከኣ ናብ ኣውሮጳ ክግዕዝ እዩ። ሃገሩ፡ ልክዕ ከም መብዛሕትአን ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ብትሑት መጠን ወሊድን ልዑል ስደትን ተጸልያ ትርከብ። ኣዲኡ ፋጡማ፡ ኣድናን ክውለድ እንከሎ ብዛዕባ ዝነበራ ዝኽሪ ከተውግዕ እንከላ፡ "ሓካይምን ነርስታትን ክኸውና እንከለዉ፡ ሓደ ዘይተለምደ ነገር ምህላዉ ተረዲኡኒ፤ ግን እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ግን ክፈልጥ ኣይከኣልኩን" ትብል። ኣድናን ምስ ተወልደ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ኮፊ ኣናን፡ መበል ሽዱሽተ ቢልዮን ህጻን ዓለም እንኳዕ ደሓን መጻእኻ ንምባል ኣብኡ ነይሩ። "ኣዝየ ደኺመ ነይረ፤ ከመይ ከም ዝተሰምዓኒ ኣይፈልጥን እየ" ብምባል ፋጡማ ነቲ ዕለት ትዝክሮ። ኣድናን ብወገኑ፡ "ካልኦት ቈልዑ ጽንብል ልደት ተገይሩሎም ከኽብሩ እንከለው፡ ኣነ ብፖለቲከኛታት ጥራይ እዩ ዝብጻሕ” ይብል። መበል ሽዱሽተ ቢልዮን ህጻን ብምዃኑ፡ ወዲ 11 ዓመት ከሎ ምስቲ ጀግናይ ዝብሎ ተጻዋቲ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ክሪስቲያኖ ሮናልዶ ክራኸብ ዕድል ረኺቡ እዩ። ኣብ ውሽጢ 23 ዓመታት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ብኽልተ ቢልዮን ሰባት ምዕባዩ ዘደንጹ ኰይኑ ከም ዝረኸቦ ይዛረብ። "እዚ ናይ ብሓቂ ብዙሕ'ዩ። እታ ጽብቕቲ ፕላኔትና ብኸመይ ከም እትጻወሮ ኣይፈልጥን እየ።" ኣብ ሓንቲ ስም ኣልቦ ንእሽቶ ደሴት 38 ስደተኛታት ተረኺቦም ሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ - ነፍሰጾር እትርከቦም 38 ስደተኛታት ዘለውዎ ጕጅለ፡ ኣብ ዶብ ቱርኪን ግሪኽን ኣብ እትርከብ ስም ዘይብላ ንእሽቶ ደሴት ተረኺቦም። እቶም 22 ደቂ ተባዕትዮ፡ 9 ደቂ ኣንስትዮን 7 ህጻናትን ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም እዮም፡ ኣብ ሩባ ኤቭሮስ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ደሴት ከምዝነበሩ ዝገልጹ። እዞም ስደተኛታት ትማሊ ሰኑይ ምስተረኸቡ ናብ መሬት ግሪኽ ተወሲዶም ኣለዉ። ሚኒስተር ስደተኛታት እታ ሃገር፡ እቶም ጕጅለ ኵሎም ኣብ "ኣዝዩ ጽቡቕ ኵነታት" ከምዘለዉን፡ እታ ነፍሰጾር ድማ ንኣድላዪ ክንክን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደትን ገሊጹ። ይዅን እምበር፡ ኣብታ ደሴት እንተወሓደ ሓደ ህጻን ከምዝሞተ፡ እቲ ጕጅለን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ይሕብሩ። ፖሊስ ግሪኽ፡ ግን ነዚ ክሳብ ሕጂ ኣየረጋገጸን። እቲ ጕጅለ ብዛዕባ ዝተረኸበሉ ቦታ ዘይርጕጽነት ስለዘሎ፡ ካብ ቱርኪን ካብ ግሪኽ መነአን ክሕግዛ ከምዘለወን ኣይተፈልጠን ነይሩ። ሰበስልጣን ግሪኽ ኣብ መጀመርታ፡ እቶም ኵሎም ሶርያውያን ከምዝዀኑ ዝገለጹ ስደተኛታት ኣብ መሬት ቱርኪ ከምዝነበሩ ገሊጾም ነይሮም። ኣብ መወዳእታ ግን ካብቲ ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብ መጀመርታ ዝተገልጸ መሬት ግሪኽ ወጻኢ ንደቡብ ኣስታት 4 ኪ.ሜ ርሒቘም እዮም ተረኺቦም። ፖሊስ ግሪኽ፡ እዚ እቶም ስደተኛታት ቅድም ኢሎም ዘይተረኸቡሉ ምኽንያት ከምዝዀነ ይጠቅስ። ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ጕጅለ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዝዀነት ባይዳ፡ "ኣብ መንጐ ቱርኪን ግሪኽን ዝካየድ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ" ይመስል ክትብል ገሊጻ። ወሲኻ’ውን፡ "ዝደልየና የለን፣ ዝሰምዓና የለን፣ ክሕግዘና ዝደሊ'ውን የለን" ትብል። ግሪኽ፡ ካብ ቱርኪ ናብ ኣውሮጳ ክሓልፉ ኣብ ዝፍትኑ ስደተኛታት ትገብሮ ኣተሓሕዛ ንሓያሎ ዓመታት ዘከራኽር ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ። ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዑቕባ ዝሓቱ ሰባት፡ ዑቕባ ንኽሓቱ ዕድል ከይተወሃቦም ንድሕሪት ክምለሱ ይግደዱ ከምዘለዉ ይኸሱ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን፡ እታ ሃገር መሰረታዊ መሰላት ኣውሮጳ ትጥሕስ ከምዘላ ድሕሪ ምግላጹ'ውን ኣብ ውሽጢ ሕብረት ኣውሮጳ ክትዕ ተፈጢሩ እዩ። ገለ ስደተኛታት ድማ ብሓይሊ ናብ ማያት ቱርኪ ክምለሱ ከምዝተገብሩ ይዛረቡ። መንግስቲ ግሪኽ ግን ነዚ ክሲታት ወትሩ ብምንጻግ፡ ሕግታት ዓለምን ኣውሮጳን ከምዘኽብር ይገልጽ። ዳይረክተር ዓለምለኸ ኮሚተ ምድሓን ግሪኽ ዲሚትራ ካሎጀሮፑሎ፡ እዚ ኣብ ሩባ ኤቭሮስ ዘጋጠመ ፍጻመ "ስደተኛታት ንኽምለሱ ኣብ ምግዳድ ዘሎ ጭካነ ዘጕልሕ'ዩ" ኢላ። ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2022 ጥራይ 232 ሶርያውያን ብባሕሪ ናብ ግሪኽ ከምዝኣተዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብር። ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ሎሚ ሊቨርፑልዶ ርያል ማድሪድ መልሲ ዝርከባ ምሸት ሎሚ ምሸት ብኣቆጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቓ ሰዓት 10:00 ዋና ከተማ ፈረንሳ፡ ፓሪስ፡ ኣብ ሞንጎ ስጳኛዊት ክለብ ርያል ማድሪድን እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ናይ ፍጻመ ጸወታ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ከተአንግድ እያ። ክልቲኤን ጋንታታት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ተራኺበን ጸወታ ብዓወት ርያል ማድሪድ ምዝዛሙ ዝዝከር እዩ። ዝኾነ ኵዕሶ እግሪ ዝፈቱ ሰብ እዚ ጸወታ እዚ ክሓልፎ ኣይደልይን'ዩ፡ እቶም ብዛዕባ ኵዕሶ እግሪ እንዶ ዘይብሎም'ውን እንተኾነ፡ ብዛዕባ ዝና እዘን ክልተ ጋንታታት ምስምዖም ኣይተርፍን'ዩ። ኣብ ታሪክ ቻምፕዮንስ ሊግ: 13 ግዜ ዋንጫ ብውሳድ ተወዳዳሪ ዘይተረኸባ ርያል ማድሪድን ነታ ዋንጫ ሽዱሽተ ግዜ ዝተዓወተትላ ሊቨርፑልን ሓዲአን፡ ሎሚ ምሽት ነዛ ዋንጫ ብምዕታር ኣብ ከብሐን ቁጽሪ ዋናጩ ክውስኻ'የን፡ እቲ ሕቶ ግን ማድሪድዶ ሊቨርፑል'ዩ። ኣብ መጀመርታ ናይ ምድብ ጸወታ ሰንከልከል ኢላ ዝሓለፈት ርያል ማድሪድ ኣብ ናይ ፈለማ ጸወታኣ ዝርኣያ ሰብ ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ ትኽእል'ያ ኢሉ ክግምት ኣይክእልን እዩ። እንተኾነ ንቸልሲ፡ ንፒኤስጂ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ንማንቸስተር ሲቲ ኣንበርኪኻ ናብ ፍጻመ ክትሓለፍ ክኢላ እያ። ኣብ ኵዕሶ ዘይክኣል የለን። ኣብ ላሊጋ 27 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ኣመዝጋቢ ሽቶ ኮይኑ ዝተሸለመ፡ ኣጥቅዓይ እታ ጋንታ ፈረንሳዊ ክሪም ቤንዜማ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮንስ ሊግ 15 ሸቶታተ ብምምዝጋብ ተወዳዳሪ'ዩ ተሳኢንዎ ዘሎ፡ ንርያል ማድሪድ ኸኣ ኣብ እንግድዑ'ዩ ተሰኪምዋ ዘሎ። ካሪም ቤንዜማ ምስ ቪኒሺየስ ጁኒየር ተላፊኖም ንመስመር ምክልኻል ሊቨርፑል ከናውጽዎ ከምስዩ ከምዝኽእሉ ኸኣ ብኣግኡ ተገሚቱ ኣሎ። ብኻልእ ወገን ሓለቃ ጋንታ ሊቨርፑል ጆርዳን ሄንደርሰን ንርያል ማድሪድ ኣብ ስታድዮም ስታ ዴ ፍራንስ ፈረንሳ ኣፎም ከነትሕዞም ኢና ኢሉ ይፍክር ኣሎ። ናይ ሎሚ ዓመት ዋናጩ ኤፍኤን ካራባዋን ዝዓተረት ሊቨርፑል ነታ ብማንቸስተር ሲቲ ዝተመንዝዓታ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ብዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ገይራ ክትድብሳ ከምእትክእል'ዩ ግምት ዘሎ። ኣብ ሓደ ዓመት ኣርባዕተ ዋንጫታት ናብ ከብሒ ሊቨርፑል ከእቱ ሓሊኑ ዝተበገሰ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ እዛ ዋንጫ እዚኣ ብምስፍሳፍ 75 ሚኢታዊት ካብ ውጥኑ ብዓወት ክዛዝም ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ዘሎ። ኣሰልጣኒ ርያል ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲ፡ በቶም ናይ ዓመታት ልምዲ ዘለዎም ሞድሪችን ክሩዝን ዝምራሕ ማእከል ሜዳ ማድሪድ ናይ ቤንዜማን ቪኒሺየስ ጁኒየርን ኵናት፡ ተመሪሑ ዘፍርሕ ከምዝኾነ ብምግላጽ ንሊቨርፑል መፈራርሒ ቃላት ወርዊሩ ኣሎ። ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ርያል ማድሪድ ንሊቨርፑል ኣብ ዝሰዓረትሉ ካብ ሜዳ ተሃሪሙ ዝወጽአ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ጽባሕ ናይ ቅድሚ ዓርባዕተ ዓመት ስዕረት ሕኒኡ ንኽፈዲ ሸቶ ከምዘመዝግብ ገሊጹ ኣሎ። ሎሚ ምሽት፡ ከተማ ፓሪስ ብባንዴራን መዝሙርን ሊቨርፑልዶ ርያል ማድሪድ ትውርቕ ግን: ጸወታ እዩ ክምልሶ። ጆ ባይደን፡ 'ኣመሪካ ብሓደ ፋሉል ፑቲን ኣይትፈርሕን' ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ቭላድሚር ፑቲን ኣርባዕተ ዝተጎበጠ ዞባታት ዩክሬን ድሕሪ ምሕዋሱ፡ ኣሜሪካ ነቲ ዘይግቡእ ምፍርራሕ ኢዳ ከምዘይትህብ ንሩስያ ኣጠንቂቑ። ፕረዚደንት ፑቲን፡ ነተን ሓደስቲ ዝተሓወሳ ግዝኣታት ንምክልኻል ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይጥቀም ዝብል ስግኣት ዘሎ ይመስል። ፑቲን፡ እተን ዞባታት "ንዘልኣለም" ኣካል ሩስያ ከምዝኾና ኣዊጁ እዩ። ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ ነቲ ስጉምቲ "ድሕሪ ምጅማር ኲናት እቲ ዝኸበደ ምዕባለ" ክብል ገሊጽዎ። እቲ መራሒ ሩስያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣብ ኬርሰን፣ ዛፖሪዝዝያ፣ ሉሃንስክን ዶኔትስክን ዝርከቡ ዜጋታት "ምስ ህዝቦም፡ ምስ ሃገሮም" ክኾኑ ከምዘመረጹ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብተን ዞባታት ዝተኻየዱ ረፈረንደም፡ መንግስታት ዩክሬንን ምዕራባውያንን ናይ ሓሶት ክብሉ ኮኒኖምዎ እዮም። መብዛሕትኡ መደረ ፑቲን ግን፡ ኣብ ልዕሊ ምዕራባውያን ሃገራት ዘነጻጸረ ነይሩ። ኣሜሪካ ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣንጻር ጃፓን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ብምጥቃም "ቅድመ-ኩነት" ከም ዝፈጠረትን፡ እዚ ድማ ርኡይ ስግኣት ምዃኑን ገሊጹ። ፑቲን ዝሓለፈ ሰሙን ሃገሩ "ዝተፈላለየ ናይ ጥፍኣት ኣጽዋር" ከምዘለዋ ብምግላጽ ኩሉ ዘሎ መገድታት ከምትጥቀም ብምግላጽ፡ "ጃህራ ኣይኮነን" ኢሉ። ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ እተን ሓደስቲ ዝተሓዋወሳ ግዝኣታት ዝፍጸም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ፡ ኣብ መሬት ሩስያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተገይሩ ከም ዝረአ ብንጹር ገሊጹ ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣብቲ ወጥሪ ምግዳድ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። ፕረዚደንት ባይደን ነቲ መደረ ፑቲን "ፋሉል ቃላትን ምፍርራሕን" ኢሉ ክገልጾ እንከሎ፡ "ኣመሪካን መሓዙታን ኣይፈርሓን" ክብል ወሲኹ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣጻብዕቱ ናብ ካሜራ እናኣመልከተ፡ ብቐጥታ ናብ ፕረዚደንት ሩስያ መደረ ኣስሚዑ። ንሱ ነቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ምዕራባውያን ብምጥቃስ፡ "ኣመሪካ ምስ መሻርኽትና ኣባላት ኔቶ፡ ንነፍሲ ወከፍ ስድሪ ግዝኣት ኔቶ [ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ] ንምክልኻል ምሉእ ድልውነት ኣለና" ኢሉ። "ሚስተር ፑቲን፡ ኣነ ዝብሎ ዘለኹ ኣስተውዒል፡ ነፍሲ ወከፍ ኢንች።" ድሕሪ ቁሩብ ግዜ፡ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሃገራዊ ድሕነት ባይደን፡ "ሞስኮ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ዕድል እኳ እንተሃለወ፡ ዘሻቕል ስግኣት ዘሎ ግን ኣይመስልንን፡ ኢሉ። ዩክሬን ብወገና ድሕሪ መደረ ሚስተር ፑቲን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኔቶ ክትጽንበር ሓድሽን ቅልጡፍን ወፍሪ ጀሚራ’ላ። ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ዩክሬን ንነዊሕ እዋን "ብጭቡጥ" ኣባል ናይቲ ኪዳን ከምዝነበረት ብምግላጽ፡ ሞስኮ "ቅትለት፣ ጸለመ፣ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ሓሶትን ተጠቒማ" ዶባት ዳግማይ ተመዓራሪ ከምዘላ ከሲሱ። ሚስተር ስቶልተንበርግ ግን እቲ ውሳነ ኣብ 30 ኣባላት እቲ ውድብ ዝዓረፈ ከምዝኾነ ይገልጽ። ኣባላት እቲ ኪዳን ንዝኾነ ሃገራት ነተን ሓደስቲ ዝተሓወሳ ግዝኣታት ኣፍልጦ ከምዘይህባ’ውን ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን "እቲ ብፑቲን ዝተኣወጀ ዘይሕጋዊ ምሕዋስ ዋላ ሓንቲ ዝቕይር ኣይኮነን" ክትብል ገሊጻቶ እያ። "ኩሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብወረርቲ ሩስያ ዝተጎበጡ ግዝኣታት መሬት ዩክሬን ወትሩ ኣካል ናይታ ልኡላዊት ሃገር ዩክሬን እዮም።" ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ምሕዋስ ኣፍልጦ ከምዘይሃበት ብምግላጽ፡ ልኡላውነት፡ ጸጥታን ናጽነትን ዩክሬን ክሕሎ ከምዘለዎ ገሊጻ። ሚስተር ፑቲን ኣብታ ኣብ ሞስኮ መደረ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን፡ ሓይልታቱ ኣብታ ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ዶኔትስክ እትርከብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ ሊማን ብወተሃደራት ዩክሬን ተኸቢቦም ኣለዉ። ዓርቢ ምሸት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኪየቭ፡ ካብ ሊማን ንሰሜናዊ ምዕራብ 8 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ቁሸት ድሮቢሸቭ ከም ዝተቖጻጸሩ ገሊጹ። ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ኣብ ዛፖሪዝያ ኣስታት 30 ዩክሬናውያን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ቃፍላይ ብዝገበረቶ መጥቃዕቲ ሮኬት ተቐቲሎም። ሩስያ ነተን ኣርባዕተ ዝተጎበጣ ዞባታት ምሕዋሳ ዝኹንን ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግብሪ ከይውዕል ተቓዊማ እያ። ተቓውሞ ሩስያ ትጽቢት ዝተገብሉ እንትኾን፡ ህንድን ቻይናን ግን ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢበን። “ኢራን ኑክለሳዊ ቦምብ ናይ ምህናፅ ዓቕሚ ኣለዋ፡ ግና ትልሚ የብላን”፡ ሓላፊ ኣተማዊ ጸዓት ኢራን ሓላፊ ኣተማዊ ጸዓት ኢራን ሞሓመድ ኢስላሚ፡ ሃገሩ ኣፅዋር ኑክለር ናይ ምህናፅ ዓቕሚ’ኳ እንተሃለዋ፡ ኣፅዋር ኑክለር ናይ ምህናፅ ትልሚ ግን ከምዘይብላ ተዛሪባ። ማዕኸን ዜና ኢራን፡ ኢራን ኣፅዋር ኒዩኵሌር ምስራሕ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዋ ነቲ ሓላፊ ብምፅራሕ ፀብፂባ። ቅድሚ ሕዚ እውን ካልእ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኢራን ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡ እዩ። ሰብመዚ ኢራን መብዛሕትኡ ግዘ ኣብ ጉዳይ ኑክለር ክዛረቡ ኣይስምዑን። ሕዚ መደብ ምምዕባል ኑክለር እታ ሃገር ኣመልኪቶም ብወግዒ ዝህብዎ ዘለዉ ርእይቶታት ግና፡ ኣብ ብዙሓት ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ። ናይ ኢራን ኣጠቓቕማ ኑክለር ዝግድብ ስምምዕ ውድቂ ድሕሪ ምዃኑ፡ ኣብቲ ዓውዲ ትገብሮ ምንቅስቓስ እናደንፈዐ ከምዝመፅአ ይግለፅ። እቲ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ዝተኸተመ ስምምዕ ኣብ ሕቶ ክኣቱ ዝጀመረ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ራሕሪሓ ድሕሪ ምውፅኣ እዩ። ኣመሪካ ንቁጠባ ኢራን ዘልምሱ ማዕቐባት ከምዘንበረት ይፍለጥ። ዋላ’ኳ ኢራን እቲ እተማዕብሎ ኑክለር ንሰላማዊ ዕላማ ከምተውዕሎ እንተገለፀት፡ ምዕራባውያን ግና ኣይኣምንኣን። ሕዚ፡ ኢራን ኑክለር ብምምዕባል ዓለም ክቆፃፀሮ ኣብ ዘይኽእል ብርኪ ቅድሚ ምብፃሓ እቲ ዝነበረ ውዕሊ ንክሕደስ ይፅዕራ ኣለዋ። ሓላፊ ኣተማዊ ጸዓት ሞሓመድ ኢስላሚ፡ ምስ ማእኸል ዜና ፋርስ ኣብ ዝቀበሮ ቃለ-መሕተት፡ “ኢራን ኣቶሚክ ቦምብ ናይ ምስራሕ ቴክኒካዊ ብቕዓት ኣለዋ። እንተኾነ ኣፅዋር ምስራሕ ኣጀንዳና ኣይኮነን” ኢሉ። ቅድሚ ሕዚ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኢራን ካሚል ካርዚ ንዝሃቦ ርእይቶ ድማ ኣረጋጊፁ። ካሚል ካርዚ፡ “ኢራን ኑክለር ቦምብ ንምስራሕ ቴክኒካዊ ብቕዓት ኣለዋ። እንተኾነ ኣፅዋር ንምስራሕ ኣይወሰነትን” ክብል ንኣልጀዚራ ገሊፁ ነይሩ። ሓላፊ ዓለምለኸ ኣቶሚክ ኢነርጂ ራፋኤል ግሮሲ፡ ኢራን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኑክለር ምስራሕ ዘኽእል ዝማዕበለ ዩራንየም ክትረክብ ከም ትኽእል ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ገሊፁ ነይሩ። ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ውዕሊ ቅድሚ ምፍራሱ፡ ኢራን ኣፅዋር ንምስራሕ ሓደ ዓመት ከምዘድልያ ገሚታ ነይራ። ራፋኤል ግሮሲ፡ ኢራን ኑክለር ንምስራሕ ዘድልያ ግብኣት ምምዕባል ትኽእል እያ ማለት፡ ኑክለር ቦምብ ምስራሕ ትኽእል እያ ማለት ኣይኮነን ይብል። ኣቶሚክ ኢነርጂ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ፡ ኢራን 43.1 ኪሎ ግራም ዝምዘን 60 ሚእታዊት ዝተፃረየ ውህሉል ዩራንየም ኣለዋ። ኣፅዋር ኑክለር ንምስራሕ 90 ሚእታዊት ዝተፃረየ 25 ኪሎ ግራም ዩራንየም የድሊ። እቲ ኣብ 2015 ዝተኸተመ ውዕሊ ንምሕዳስ ፃዕሪ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እያ፡ ኢራን ኑክለሳዊ ቦምብ ናይ ምስራሕ “ቴክኒካዊ ብቕዓት ኣለኒ” ትብል ዘላ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ነቲ ስምምዕ ንምሕዳስ ኣብ ሞንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝተፈተነ ዘይቀጥታዊ ልዝብ እውን ኣይሰመረን። ሰሜን ኮርያ 'ሓደሽቲ ሚሳይላት ሓጺር-ርሕቐት' ናብ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ደቡብ ኮርያ ገሊጻ ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳይላት ሓጺር-ርሕቐት ናብ ባሕሪ ከምዝተኮሰት ደቡብ ኮርያ ገሊጻ። ሰሜን ኮርያ፡ ካብቲ ዎንሶን ዝበሃል ምብራቓዊ ገማግም ባሕራ እያ ነቶም ሚሳይላት ሓሙስ ንጉሆ ናብ ባሕሪ ተኩሳቶም። ሓደ ወተሃደራዊ በዓል መዚ ደቡብ ኮርያ ከምዝበሎ፡ ሓደ ካብቶም ሚሳይላት 690 ኪሜ ዝተጉዓዘ ክኸውን ከሎ፡ ሓድሽ ቅዲ ዘለዎ ዓይነት ሚሳይል እዩ። ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ካብ ዝራኸቡ ናብዚ፡ ሰሜን ኮርያ ንፈለማ እዋን እያ ሚሳይላት ትትኩስ ዘላ። እዚ ምትኳስ ሚሳይላት፡ ሰሜን ኮርያ በቲ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ከካይደኦ መደብ ሒዘናሉ ዘለዋ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ተቖጢዓ ኣብ ዘላትሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ። እዚ ሓበራዊ ልምምድ፡ ብዛዕባ ኒዩክሌር ዝምልከት ልዝባት ዳግም ኣብ ምጅማር ሃስያ ክህልዎ ከምዝኽእል ሰሜን ኮርያ ኣጠንቂቓ እያ። ፈለማ ዝወጹ ጸብጻባት፡ እቶም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ብ 50 ኪሜ ብራኸ፡ 430 ኪሜ ርሕቐት ምስተጉዓዙ ናብቲ ባሕሪ ጃፓን ወይ ከኣ ምብራቓዊ ባሕሪ እናተባህለ ዝፍለጥ ማያዊ ኣካል ከምዝወደቑ እዮም ዝገልጹ። ናይ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ሰብመዚ ስለያ ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምትንታኖም ግን፡ ብውሕዱ ሓደ ካብቶም ዝተተኮሱ ክልተ ሚሳይላት "ሓድሽ ዓይነት ሚሳይል" ከምዝኾነ ተገሊጹ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ጃፓን፡ እቶም ዝተተኮሱ ሚሳይላት ናብ ማያዊ ግዝኣት ጃፓን ከምዘይበጽሐን ኣብ ሃገራዊ ውሕስነታ እዋናዊ ሃስያ ከምዘይህልዎን ገሊጹ። ኣብ እዋን ምትኳስ እቶም ሚሳይላት መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ነይሩ ዶ ኣይነበረን ዝብል ንጹር ኣይኮነን። ሰሜን ኮርያ ነቲ ዘሎ ምትፍናን ኣብ ምህዳእ ዘይሕግዙ ተግባራት ካብ ምግባር ክትቁጠብ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ከምዝጸወዐ ሮይተርስ ጸብጺቡ'ሎ። መራኸቢ ብዙሃን ሰሜን ኮርያ፡ ንዑደት ትራምፕ ''ዘደንቕ'' ኢለንኦ ሃገራዊ ሚድያ ሰሜን ኮርያ ንሃንደበታዊ ምብጻሕ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ''ኣደናቒ ፍጻመ" ክትብል ገሊጻቶ። ትማሊ ሰንበት፡ ትራምፕ ብመራሒ ደቡብ ኮርያ ተሰንዩ ናብ ሰሜን ኮርያ ዝበጽሐ ቀዳማይ መራሒ ኣሜሪካ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ ። ትራምፕ ኣብ ደቡብ ኮርያ ከሎ ኣቐዲሙ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም፡ ክረኽቦ ዝደሊ እንተኾይኑ ሓቲቱ ነይሩ። ኬሲኤንኤ፡ ነቲ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ምብጻሕ ልዑል ሸፈነ ሂባቶ እያ። ሰሜን ኮርያውያን ናይ ወጻኢ ዜና ዳርጋ ኣይረኽቡን እዮም፡ እዛ ልዑል ቁጽጽር ዝግበረላ ሚድያ ድማ ንዓሰርተታት ዓመታት ንኣሜሪካ ከም ቀዳመይቲ ጸላኢት ሰሜን ኮርያ ገይራ ክትገልጻ ጸኒሓ'ያ። ንተራ ዜጋታት ሰሜን ኮርያ፡ መራሒ ኣሜሪካ ምስ ኪም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዶብ ሃገሮም ክሰግር ምርኣይ ኣዝዩ ብርቂ እዩ። ዝርርብ ኒዩክልየር ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ፤ ድሕሪ'ቲ ብዘይፍረ ዝተበተነ ካልኣይ ርክብ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ደው ኢሉ እዩ ጸኒሑ። ድሕሪ'ቲ ብስንበት ዝተኻየደ ርክብ ግና ዝርርብ ዳግም ክጅመር ተሰማሚዖም ኣለዉ። ገለ ነቐፍቲ ግና እቲ ናይ ሰንበት ፍጻሜ ካብ ፖለቲካዊ ድራማ ዝሓልፍ ትርጉም ዘለዎ ተጨባጢ ውጽኢት ኣብ ጉዳይ ኒዩክልየር ሰሜን ኮርያ ዘምጽኦ ትርጉም የለን በሃልቲ እዮም። ትራምፕ ድሕሪ ዋዕላ 'ጉጀለ 20' እዩ ናብ ደቡብ ኮርያ በጺሑ። ነቲ ትራምፕ ብቀዳም ዘቕረቦ ጻውዒት፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ስለ ዝተቐበሎ ድማ ሰለስቲኦም መራሕቲ ክራኸቡ ክኢሎም። ርክብ ናይዞም ሰለስተ መራሕቲ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ኮርያ ኣብ ዝርከብ ካብ ወታደራዊ ህላወ ነጻ ዞባ ኢዩ ተኻይዱ። ትራምፕን ኪምን ኣብ ዶብ ክልቲኤን ኮርያ ኣብ ዝርከብ ሕንጻጽ ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ኪም ንትራምፕ ብዘቕረበሉ ጻውዒት፡ ትራምት ነቲ ሕንጻጽ ሰጊሩ ናብ ሰሜን ኮርያ ብምእታው ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣሜሪካ ኣብ ስልጣን ኮይኖም ዘይገበርዎ ታሪኽ ሰሪሑ። እቲ ፍጻመ ብሃገራዊ ተለቭዥን ሰሜን ኮርያ ብቐጥታ ተመሓላሊፉ። ሰሜን ኮርያ ፈተነ ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳይል ከምዘካየደት ኣሜሪካ ገሊጻ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ሰሜን ኮርያ ሓድሽ ክፍለ-ዓለማዊ ተወንጫፊ ሚሳኤል [ሚሳይል] ፈተነ ከምዝገበረት ኣፍሊጡ። ነዚ ድማ “ሓደገኛ ምጉህሃር” ክብል ገሊጽዎ። ብወገን መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ዝተወሃበ መግለጺ ግን፡ እቲ ብ26 ለካቲትን 4 መጋቢትን ዝተተኮሰ፡ ኮላሊት ሳተላይን ንምምዕባል ዘድሃበ ምዃኑ ይጠቅስ። ኣሜሪካ ግን እቶም ዝተኻየዱ ፈተነታት፡ ነቲ ምሉእ ክፍለ-ዓለማዊ (ኣህጉራዊ) ሚሳይል ናይ ምትኳስ ውጥን ኣቐዲምካ ዝግበር ዘሎ ምኮራዊ ምውንጫፋት ከምዝኾነ ትገልጽ። እቲ ክፍለ-ኣህጉራዊ ተወንጫፊ ሚሳይል፡ በቲ ዝነኣሰ ርሕቐት ዝበሃል 5,500 ኪሎ ሜትር እንተተኲሱ ክሳብ ኣሜሪካ ክበጽሕ ይኽእል። ኒኩሌራዊ ኣጽዋራት ክስከሙ ተጌሮም ከምዝተሰርሑ ድማ ይሕበር። ወሃቢ ቓል ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ጆን ኪርቢ፡ ሰሜን ኮርያ ዘካየደቶም ፈተነታት “ምስ ሓድሽ ስርዓት ክፍለ-ኣህጉራዊ ባላስቲካዊ ሚሳይላት ዝራኸብ’ዩ” ክብል ትማሊ ሓሙስ ተዛሪቡ። ክሳብ ክንደይ ክጓዓዝ ከምዝኽእል ወይ ዓቕሙ ንምፍላጥ ዘይኮነስ፡ “ኣብ መጻኢ ናብ ምሉእ ፈተነታት ንምእታው ኣቐዲምካ ነቲ ሓድሽ መሳርሒ ንምግምጋም ዝዓለመ እዩ” ይብል ኪርቢ። “ኣሜሪካ ነዞም ንድንጋገታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕሱ ምውንጫፍ ሚሳይላት ብትሪ ትቃወም” ዝበለ ወሃቢ ቓል ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ፡ እዚ ተግባር ኣብቲ ዞባ ናብ ዘየድልይ ወጥሪ ዘጓሃህርን ንኹነታት ጸጥታ ዝዘርግን ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ። ሚንስትሪ ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ብወገኑ፡ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ዝተኻየዱ ክልተ ፈተነታት፡ ምስቶም ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምርኢት ሰሜን ኮርያ ዝቐረቡ ክፍለ-ኣህጉራዊ ባላስቲክ ሚሳይል ኣተሓሒዝዎም ኣሎ። መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ ነቲ ፈተነታት “ብትሪ ንኹንን” ክብል ከሎ፡ ጃፓን ብወገና “ፈጺምካ ክትጻወሮ ዘይትኽእል ስግኣት ሰላምን ጸጥታን” ክትብል ገሊጻ። ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ኣሜሪካ “ሓደገኛ ምጉህሃር” ክብል ነቲ ፈተነታት ነቒፉ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተወሰኽቲ ማዕቐባት ክተንብር ከምእትኽእል ኣእንፊቱ። እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ በዓል ስልጣን፡ ሰሜን ኮሪያ ምናልባት ብቐጻሊ ንእተሳልጦ ሚሳይል ናይ ምምዕባል ፕሮግራማ ዝኸውን ናውትን ቴክኖሎጂታትን ካብ ደገ ንኸይተእተው ክትኽልከል ከምእትኽእል’ዩ ሓቢሩ። ሰሜን ኮሪያ ካብ 2017 ንደሓር ዝኾነ ዓይነት ክፍለ-ዓለማዊ ሞሳይል ኮነ ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ፈተነታት ኣካይዳ ዘይትፈልጥ’ኳ እንተኾነት፡ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ግን፡ ነቲ ፈተነ ከካይድ ከምዝኽእል ከአንፍት ጸኒሑ’ሎ። እታ ሃገር ኣብ ፈተነታት ናይ ነዊሕ ርሕቐት ባላስቲክ ሚሳይላት ከምኡ’ውን ኒኩሌራዊ ኣጽዋር ጊዚያዊ ምቁራጽ ክትገብር ዝኸኣለት፡ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምዝርራብ ምዃኑ ይዝከር። መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም፡ ሃገሩ በቲ ንትራምፕ ዝኣተወትሉ መብጽዓ (መጽብዓ) ከምዘይትቕየድ ኣብ 2020 ኣፍሊጡ። ስግኣት ኑክሌር ይውስኽ ኣሎ፡ ንሕና ግን ኣይዓበድናን' - ፑቲን ቭላድሚር ፑቲን ስግኣት ኑክሌራዊ ኵናት እናዓረገ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊፁ፤ እንተዀነ ሩስያ “ኣይዓበደትን” ዘለዋ ኣጽዋር ኑክሌር ኣቐዲማ ኣይክትጥቀምን'ያ፡ ኢሉ። እቲ ፕረዝደንት ንዝፍፀም መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ፡ ሃገሩ ጃምላዊ ዕንወት ዘውርዱ ኣጽዋራት ጥራይ ከምእትጥቀም ኣገንዚቡ። ፑቲን ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ከም ዝተዛረቦ፡ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኵናት “ነዊሕ መስርሕ” ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ። ምዕራባውያን፡ ኣብ ወራር ዩክረይን ፑቲን ቅልጡፍ ዓወት ከመዝግብ ሃቂኑ ከም ዝነበረ’ዮም ዝኣምኑ። ሩስያ ኣብቲ ዝሓለፈ ለካቲት ንዩክረይን ካብ ትወርር ንነጀው፡ ኣጽዋራት ኑክሌር ናይ ምጥቃም ዓቕማ ሓያል ክትትል እዩ ዝግበረሉ ዘሎ። ፑቲን ኣብ ሓደ ካብ ሞስኮ ዝወጽአ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ብዛዕባ ኑክሌራዊ ኵናት ክዛረብ እንከሎ፡ “ከምዚ ዓይነት ስግኣት ይዓርግ ኣሎ፤ ነዚ ምሕባእ ግን ጌጋ እዩ” ክብል ኣጠንቂቝ። እንተዀነ፡ ሩስያ “ኣብ ዝዀነ ይዅን ኵነታት” ኣቐዲማ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከም ዘይትጥቀምን ንዝዀነ ከምዘይተፈራርሕን ሓቢሩ። ፑቲን፡ “ንሕና ኣይዓበድናን፡ ኣጽዋራት ኑክሌር እንታይ ምዃኖም ንፈልጥ ኢና። ነዚ ኣጽዋር ከም መላጸ እናወዛወዝና ኣብ ዓለም ኣይክንጐይን ኢና” ክብል ተዛሪቡ። ሩስያ ኣብ ዓለም እቲ ዘመናውን ዝበለጸን ኣጽዋራት ኑክሌር ከምዘለዋ ዝተመክሐ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሃገሩ ዘለዋ ስትራተጂ ኑክሌር ምስ ኣሜሪካ ኣነጻጺሩ። “ንሕና፡ ታክቲካት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣብ ካልኦት ሃገራት የብልናን፤ ከምቲ ኣሜሪካውያን ኣብ ቱርክን ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳን ዘለዎም” ኢሉ። ፑቲን ቅድሚ ሕጂ፡ ሰረት እምነት ኑክሌር ሩስያ፡ ብኑክሌር ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ጥራይ ከምዝፈቅድ ኣትሪሩ ተዛሪቡ ነይሩ። ዩክረይን ወሪሩ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ዓወት ክሓፍስ ሃቂኑ ዝነበረ ፑቲን፡ እዚ ከም ዘይዕወት ምስተገንዘበ፡ እቲ ኵናት “ነዊሕ መስርሕ” ክወስድ ከምዝኽእል ተኣሚኑ ኣሎ። እንተዀነ እቲ ውጽኢት ግን ወሳኒ ከምዝነበረ፤ እቲ ሩስያ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ምስሉይ ህዝበ ውሳነ ብምክያድ ብዘይሕጋዊ መገዲ ሕቶታት ይግብኣኒ ዘልዓለትሎም ሓደስቲ ግዝኣታት ከም ኣብነት ዝቐርብ እዩ። ነቲ ካብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን ክሳብ ደቡባዊ ምዕራብ ሩስያ ዝዝርጋሕ ባሕሪ ኣዞቭ ከም ዝተቘጻጸሩ ዝተጃህረ ፑቲን፡ እዚ ከኣ ዓቢይ ባህጊ ሩስያዊ ዛር ፒተር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ፑቲን፡ ንርእሱ ምስቶም ኣብ መበል 17 ን 18 ን ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ገዛእቲ የነጻጸር። ዋላ’ኳ ፑቲን፡ ዞባታት ኬርሶን፡ ዛፖርዚዝያ፡ ሉሃንስክን ዶነስክን ሓደስቲ ግዝኣታት ሩስያ ከምዝዀኑ እንተተዛረበ፡ ሞስኮ ግን ካብዞም ከባቢታት ዋላ ንሓደ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ኣይተቘጻጸረትን። ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ዝኸፍቱ ዝተቘጻጸርዋ ዋና ከተማ እቲ ዞባ ኬርሶን ከንሳሕቡ ተገዲዶም ነይሮም’ዮም። እዚ ኣብ ግንባር ዘጋጠሞም ብድሆ፡ ሩስያ ንማእኸል ጸዓት ዩክረይን ዒላማ ብምግባር፡ ጽዑቕ መጥቃዕትታት ኣየር ክተካይድ ደሪኽዋ። ከም ሳዕቤን እዚ ደብዳብ ድማ፡ መሰረት ልምዓት ጸዓት ዩክረይን ብኸቢድ ዓንዩ፡ መጠን ዋዒ ትሕቲ ዜሮ ኣብ ዝወረደሉ ሚልዮናት ዩክሬናውያን ንሰዓታት ወይ ንመዓልታት ብዘይመውዓይን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሓዲግ ተሪፎም። ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝፈጸሞ ወራር ክነቅፍ ዝኽእል ዝዀነ ዓይነት ነቐፌታ ኣብ ቅድሚ 'ቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ተዓጊቱ እዩ፤ ኣብቲ ኵናት ሕቶ ዘልዓሉ 10 ኣባላት እቲ ባይቶ ብምእላይ ነቲ ኵናት ብዝድግፉ ተተኪኦም እዮም። ካብ ቀረባ ሰሙናት ንነጀው ፖሊሲ ኑክሌር ሩስያ፡ መዓስ ኣጽዋር ኑክሌር ምጥቃም ይከኣል ዝብል ኣብ ቀረባ ክትትል ኣትዩ ኣሎ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውደ ግምባር ዩክረይን ክፍነው ዝኽእሉ ታክቲካዊ ኣጽዋራት ክትትል ይግበረሎም ኣሎ። ታክቲካዊ ኣጽዋር ኑክሌር ኣብ ውግእ ዝውዕል ኰይኑ፡ ኣንጻር እቲ ገዚፍ ስትራተጅያዊ ኣጽዋር ገዚፍ ዕንወት ንምውራድ ዝተዳለወ እዩ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ እገዳ ኣንቢራ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ እገዳ ኣንቢሩ። እቲ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ንብረት ሚኒስተር ዛሪፍ ከም ዝተነብረ'ውን እቲ ቤት ግምጃ ሓቢሩ። ጽሓፊ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ስቴቨን ምኑቺን "ጃቫድ፡ ኣጀንዳታት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኣብ ምትግባር እዩ ዘሎ" ክብል ገሊጽዎ። ሚኒስተር መሓመድ ጃቫድ ዛሪፍ ብወገኑ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕለይ እገዳ ከተንብር ዝተገደደትሉ፡ ነቲ ዘለዋ ኣጀንዳ ኣብ ምትግባር ከም ስግኣት ስለ ትሓስበኒ'ዩ፡ ድሕሪ ምባል "ኣነ ኣብቲ ዘለኩም ኣጀንዳ ክሳብ ክንድዚ ስግኣት ዝፈጥር ሰብ ገይርኩም ምሕሳብኩም ኣዝየ የመስግነኩም" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ። ኣብ ሞንጎ ኢራንን ኣሜሪካን ዘሎ ምትፍናን፡ ኣሜሪካ ካብ 2015 ጀሚራ ካብ ስምምዕ ኑክለር ድሕሪ ምንስሓባን ንኑክለራዊ ንጥፈታት ኢራን ክትገትእ ድሕሪ ምፍታናን ሰማይ ከም ዝዓረገ እዩ ዝግለጽ። በዚ ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ምትፍናን ኣብቲ መተሓላለፊ ብዙሓት ንግዳውያን መራኽብ ዝኾነ ወሽመጥ ፋርስ፡ ኵናት ኣብ መንጎአን ከይልዓል ናይ ብዙሓት ስግኣት'ዩ። ጽሓፊ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ስቴቨን ምኑቺን፡ ንጃቫድ ዛሪፍ ናይቲ ኣብ ኢራን ዘሎ ስርዓት ቀዳማይ ውሃቢ ቃል ክብል እዩ ዝገልጾ። ስቴቨን ምኑቺን ብምስዓብ "ኣሜሪካ ሓደ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ'ያ ተመሓላልፍ ዘላ፡ ስርዓት ኢራን ኣብዚ ቀረባ እዋን ከርእዮ ጀሚሩ ዘሎ ባህሪ ዘይቕቡል ሙኳኑ" ክብል'ውን ኣጠንቒቑ። ሚኒሰተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ዛሪፍ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ እገዳ "ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ስድራይ ዘምጽኦ ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ለውጢ የለን፡ ምኽንያቱ ንዓይ ካብ ኢራን ወጻኢ ዝኾነ ዓይነት ንብረት የብለይን" ኢሉ። መረጻ ፍሊፒንስ፡ 'ፖለቲከኛታት ናይ ሓሶት ታሪኻት ክዝርግሕ ቈጺሮምኒ'ዮም' ሎሚ፡ ፊሊፒናውያን ንዝቕጽሉ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሕ ፕረዚደንት ክመርጹ'ዮም። ፍትሓውነት እቲ መረጻ ግን ኣዝዩ ኣካታዒ'ዩ። ንዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ሕጹያት ተወዳደርቲ እቲ መረጻ ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ስኑዓት ኣካውንታት ማሕበራዊ ሚዲያን ተጠቒሞም ጽልዋ ክፈጥሩ ጸኒሖም'ዮም ዝብል ክስታት ክቐርበሎም ጸኒሑ። "ብፖለቲካዊ ኣዘራርባ ኣማኻሪ ሸመታ ማሕበራዊ ሚዲያ'የ።" ጆን -ትኽክለኛ ሽሙ ኣይኮነን - ግን ከኣ ኣካል ኣብዚ ቀጻሊ ፕረዚደንት ፍሊፒንስ ንምምራጽ ኣገዳሲ ዝዀነ ኢንዳስትሪ እዩ። መዓልታዊ ንሽዱሽተ ሰዓታት ኣማኢት ንፖለቲከኛታትን ጐስጎስቶምን ዝጠቕሙ ናይ ፈይስቡክ ገጻትን ናይ ሓሶት ድሕረ ገጻትን እናመሓደረ ይውዕል። ዓማዊሉ፡ ኣመሓደርቲ፡ ኣባላት ኮንግረስን ከንቲባታትን ከም ዝርከብዎም ይገልጽ። ሎሚ፡ ፊሊፒናውያን መረጽቲ ቐጻሊ ፕረዚደንትን ካልኦት ንዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝውክሉ ሕጹያትን ክመርጹ'ዮም። እዚ፡ ሮድሪጎ ዱተርተ ብ2016 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንደሓር ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ መረጻ ኰይኑ፡ ነቐፍቱ ብማዕበል ዜና ሓሶት ዝመጽአ'ዩ ይብሉ። ከም ተዓዘብቲ መረጻን ክኢላታት ምውዛሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዝተመሓየሸ ነገር ከም ዘየሎን እቲ ኵነታት እናኸፍአ ከም ዝመጽአን ይገልጹ። ጆን፡ ኣካል እቲ ምዝርጋሕ ግጉይ ሓበሬታታት እዩ። ኣብ ትሕቲኡ 30 ሰራሕተኛታት ኣለውዎ። ዕላማኦም፡ ዋላ'ውን ብናይ ሓሶት ሓበሬታ እንተኾነ ዓማዊሎም ፖለቲካዊ ድጋፍ ክረኽቡ ምግባር እዩ። ንሱ፡ እዚ ንዓመታት ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ምዃኑ ይዛረብ። "ብ2013፡ ኣብ ሓደ ኣነ ዝከታተሎ ዞባ ናይ ሓሶት ዜና ዘረጊሕና። ቁጽሪ ስልክን ስእልን ሓደ ፖለቲከኛ ገይርና፡ ንዕኡ ኣምሲልና 'ውሽማ ይደሊ'የ' ዝብል ሓጺር ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ልኢኽና። ብዝገርም ኵነታት፡ ዓሚለይ ተዓዊቱ፡" ይብል። ቢቢሲ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ናብ ዝተፈላለዩ ጆን ዘመሓድሮም ገጻት ፈይስቡክ ዝሰርሓሎም ሰባትን ሓደ ቪድዮን ስክሪን ሾት፡ ኣብ ሞንጐኦም ዝተገብረ ምልውዋጥ መልእኽቲ፡ ወረቓቕቲ ባንክ፡ ስኑዕ መለለዪ መንነትን ሲም ካርድን ልኢኹ። ንድሕነቱ ስለ ዝሰግእ መንነቱ ክዕቀብ ገይርና ኢና። ካልእ ዝጥቀመሉ ሜላ ክዛረብ እንከሎ ድማ ፖለቲካዊ ዘይኮኑ ገጻትን ጕጅለታትን ተጠቒሙ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ይዝርግሕ። ወናኒ ፈይስቡክ ኩባኒያ ሜታ፡ ኣብ ፊሊፒንስ ብዙሓት ሰባት ንምግጋይ ዝተኸፈቱን ፖሊሲታቱ ዝጥሓሱን ልዕሊ 400 መጥቃሚታት፣ ገጻትን ጕጅለታትን ከም ዝዓጸወ ይገልጽ። 'ቅሉዕ ሚስጢር' ብዙሓት ሕጹያት ተወዳደርቲ እዚ መረጻ ምንዛሕ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ውጽኢት እቲ መረጻ ጽልዋ ከሕድር'ዩ ክብሉ ጸኒሖም'ዮም። ሕጽይቲ ፕረዚደንት ሌኒ ሮብሬዶ ምስ ማዕኸን ዜና ፊሊፒኖ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ነቲ ዘሎ ጸገም ስኑዕ ዜና ዕሽሽ ኢላቶ ከም ዝነበረት ተዛሪባ። "ሓሶት ክደጋገም እንከሎ ግን ሓቂ'ዩ ዝኸውን፡" ኢላ። ካልእ ሕጹይ ፕረዚደንት ተጓሳጢት ነበር ማኒ ፓኪዮ፡ ስኑዕ ዜናን ናይ ሓሶት ሓበሬታን ቁጽጽር ክግበረሉ ከም ዝግባእ ይዛረብ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ሓጋዚ ፕሮፌሰርን ተመራማሪ ግጉይ ሓበሬታን ጆናታን ከጆርፐስ ኦንግ፡ "ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ መተግበሪታት፡ ግጉይ ሓበሬታታት ከቃልዑ ዝጽዕሩ ኣጻረይቲ ሓቂን ምሁራትን፤ ጸወታ ኣንጭዋን ድሙን ኢና ንርኢ ዘለና፡" ይብል። ብ2018፡ ኦንግ ኣብ ፊሊፒንስ ንሓደ ዓመት መንነቶም ምስ ዝተዓቀበ ስትራተጂስትን ብድሕሪ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዘለው ሰራሕተኛታት ዲጂታልን ቃለ መጠይቕ ብምግባር ጽሒፉ'ዩ። ኣብዚ፡ ካብ ክኢላታት ርክባት ህዝቢ ጀሚሩ ክሳብ ጸለውትን ኣመሓደርቲ እቶም ናይ ሓሶት ኣካውንታትን ዝሳተፍሉ ውረድ ተዋረድ ከም ዘሎ የረድእ። እዚ፡ እዞም ሰባት መን'ዮም ዝብል "ቅሉዕ ምስጢር" እዩ ዝብል እቲ ፕሮፌሰር፡ ክፍሊታት "ካብ ባንኪ ወጻኢ" ከም ዝፍጸሙ ሓቢሩ። ኣብ ፊሊፒንስ፡ ግጉይ ሓበሬታ ዝቃለሱ ሰብ ሞያ ሕጊ፡ ኣመሓደርቲ ትካላት እምነት፡ ዩኒቨርሲቲታትን ትካላት ሚዲያን ኣለው'ዮም። ቢቢሲ ንበዓልቲ ሞያ ምጽራይ ሓቂ tsek.ph ሴሊን ሳምሶንን በዓል ሞያ ሕጊ ቶኒ ላ ቪዳን ኣዘራሪቡ'ዩ። ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ tsek.ph ሕጹይ ፕረዚደንት ፈርዲናንድ "ቦንግ ቦንግ" ማርቆስ ጂኒየር ካብቲ ናይ ሓሶት ዜና ዝዓበየ ተጠቃሚ ከም ዝኾነ፡ መነሓንሕቱ ሌኒ ሮበሬዶ ግን እታ ዝዓበየት ግዳይ ከም ዝዀነት ዝገልጽ መጽናዕቲ ኣውጺኡ። ክሳብ 1986 ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝነበረ ምሕደራ ማርቆስ ሲንየር፡ ንተቓወምቲ ብምቕታልን ብምስቓይን እዩ ዝፍለጥ። ከም ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ትሕቲ ምሕደራኡ 70 ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም፡ 34 ሽሕ ተሳቕዮም፡ 3240 ድማ ተቐቲሎም'ዮም። ሴሊን ሳምሶን "ብ2021 ምስ መረጻ ዝተሓሓዝ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ርኢናዮም ኢና። ኣብዚ ቦንግ ቦንግ ማርቆስ ስድራቤቱ ሃብቲ መንግስቲ ከም ዘይሰረቐን ኣቦኡ'ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘይፈጸመን ገይሩ'ዩ ክስእሎ ፈቲኑ። ኣብ ልዕሊ መነሓንሕቱ ሌና'ውን ብቕዕቲ ኣይኮነትን ዝብሉ ብዙሓት መጥቃዕታት ክወርዱ ርኢና ኢና፡" ትብል። ወሃቢ ቃል ቦንግ ቦንግ ማርቆስ ግን እቶም ዝቐርቡ ዘለው ክስታት፡ "ውጹእ ሓሶትን መጋገይትን" ብምባል ነጺጉዎም። ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ትዊተር ኣማኢት ንቦንግ ቦንግ ማርቆስ ኣጕሊሖም ዝጽሕፉ ዝነበሩ ሕጊ ስፓም ጥሒሶም ብዝብል ኣጊድዎም እዩ። ማርቆስ ጁኒየር ርኢይቶ ክህብ'ኳ እንተሓተተ፡ እዚ ዛንታ ቅድሚ ምሕታሙ ግን ምላሽ ኣይሃበን። ኣብ ካልኦት ቃለ መጠይቓት፡ "ግዳይ" ናይ ባዕሎም "ፖለቲካዊ ኣጀንዳ" ዘለዎም ኣጻረይቲ ሓቂ እየ ኢሉ ነይሩ። ኣብ ጐስጓስ መረጻ ንምሕጋዝ ድማ ናይ ሓሶት ኣካውንታት ከም ዘይተጠቐመ ይገልጽ። ጆን ግን፡ ኣብ መረጻ 2022 ሕጹይ ኮይኑ ዝወዳደር መሓዛኡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክዝርግሕ ተሓቲቱ ከም ዘይተቐበሎ ይዛረብ። እዚ ብሳልሳይ ኣካል ከነረጋግጾ ኣይከኣልናን። ጆን'ውን እቲ ሕጹይ ፕረዚደንት መን ምዃኑ ክዛረብ ኣየፍቀደን፣ ቦንግ ቦንግ ማርቆስ ከም ዘይኮነ ግን ተዛሪቡ። ካብ ትዊተርን ፈይስቡክን ብተወሳኺ፡ ዩትዩብ'ውን ካብ ለካቲት 2021 ክሳብ ጥሪ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ልዕሊ 400 ሽሕ ካብ ፊሊፒንስ ዝተጻዕኑ ቪድዮታት ኣልየ ይብል። ፈይስ-ቡክ፡ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ 10 ሽሕ ሰባት ስራሕ ክቖጽር'ዩ ፌስቡክ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ 'ሜታቨርስ' ኣብ ዝተብሃለ ሶፍትዌር [ንሰባት ኣብ ኮምፒተር ጌም ክጻወቱ፡ ክሰርሑን ክራዳድኡን ዝሕግዝ] ዘማዕብሉ 10 ሽሕ ሰባት ክቆጽር መደብ ከምዘለዎ ገሊጹ። መስራትን ሓላፍን ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ነዚ መደብ ብዕቱብ ሒዙ ይቅልሶ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ። ፌስቡክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ"ሜታቨርስ ሓዲሽ ምህዞታት ንክህሉን ማዕበራውን ቁጠባውን ዕድላት ንኽፍጠር ዘኽእል እዩ፡ ኣውሮጳውያን ኸኣ ካብ ፈለማ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ክነድፍዎ'ዮም" ኢሉ። እቲ ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ክጅመር ውጥን ኣውጺእዎ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድል "ልዑል ብቕዓት ዘለዎም መሃንዲሳት" ዝጠልብ ምዃኑ'ውን ፌስቡክ ገሊጹ። ፌስቡክ ብምስዓብ ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ወፍሪ ምግባር ብዙሕ ረብሓታት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ዓማዊል ዝፈጥርን፡ ልዑል ብቕዓት ዘለዎም ተማሃሮን ምስተን ንዕኦም ዘፍርያ ዩኒቨርስትታት ዘራኽብን'ዩ ኢሉ። ፌስቡክ ንሜታቨርስ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታቱ ገይሩ ይሰርሓሉ ምህላዉ'ዩ ዝግለጽ። ንዋትስኣብ ንኢንሰታግራምን ዝውንን ትካል ፌስቡክ ዓበይቲ ሚድያታት ኣብ 'ምግባር' ብተደጋጋሚ ይሕመ'ዩ። ን'ሜታቨረስ' ኣመልኪቶም ስክፍትኦም ንዝገልጹ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቡ መልሲ "ኣብ ሓደ መዓልቲ ብሓደ ትካል ዝምዕብልን ዝስራሕን ኣይኮነን" ድሕሪ ምባል ናይ ብዙሓት ውህደትን ምትሕብባርን ከምዘድሊ ቃል ኣትዩ። ፌስቡክ ኣቀድም ኣቡሊ ሜታቨርስ ከማዕብላ ንዝደልያ ብዘይመክሰብ ንዝሰርሓ ትካላት 50 ሚልዮን ዶላር ምምዋሉ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ሜታቨርስ ምሉእ ንምሉእ ማዕቢሉ ኣብ ጥቅሚ ንኽውዕል ካብ 10 ክሳብ 15 ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል'ዩ ዝግመት። ብዙሓት ነቀፍቲ ግን፡ ፌስቡክ ንዝበጽሖ ዘሎ ተደጋጋሚ ነቐፌታታት ንምሽፋንን ኣተኩሮ ሰባት ንምቅያር ኢሉ ሽሙ ንምዕቃብ ዘምጽኦ ሓሳብ ከምዝኾነ'ዮም ዝገልጹ። ፌስቡክ እቲ ንሱ ዝውንኖ ኢንስታግራም ኣመልኪቱ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ኢንስታግራም ኣብ ህጻናት ኣእምሮኣዊ ጸጋማት ከምዝፈጥር'ኳ ውጽኢት መጽናዕቱ እንተሓበረ፡ ውጽኢት መጽናዕቱ ንዓለም ስለዘይሓበረ ግን ብኸቢድ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ። ሩስያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዕራብ ንምቁጽጻር እትፍተነሉ መገዲ መንግስቲ ሩስያ ነቲ ዘይሕጋዊ ዝበሎ ትሕዝቶታት ንዘይኣለዩ ኩባንያታት ጉግልን ሜታን፡ ሚልዮናት ዶላር ክቐጽዕ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ። ሰነዳት ቤት ፍርዲ ግን እቶም ጽሑፋት መንግስቲ ንዝኣሰሮ መራሒ ተቓዋሚ ኣሌክሲ ናቫንሊ ደጊፎም ዝተለጠፉ ምዃኖም'ዮም ዘርእዩ። ኣብ 2018 ሓደ ሩሲያዊ ገጣሚ ናይ ላግጺ ስእሊ ኣብ ፌስቡክ ለጢፉ። እቲ ስእሊ ክልተ ርእሲ ዘለዎ ምስሊ ንስሪ ኮይኑ፡ ገጻት እቲ ንስሪ ብናይ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ቐዳማይ ሚኒስትር ነበር ዲመትሪ መድቨደቭን ዝተተክአ እዩ። ነዚ ንስሪ ካብቶም ካልኦት: ክልተ ዕጽፊ ስሱዕ፣ ክልተ ዕጽፊ ዝሕሱን ብኣርባዕተ ኣዒንቲ ዝስልልን እዩ ብዝብል ሓጺር ግጥሚ ከሰንዮ እንከሎ ኣብ መወዳእታ "ሩሲያውያን ነዚ ተመሓላላፊ ሕማም ንምውጋድ መዓዝ'ዮም ክነቕሑ?" ኢሉ። መንግስቲ ሩሲያ፡ እዚ ጽሑፍ "ክብሪ መንግስቲ፣ ሕገ መንግስትን ፕሬዝደንትን ዝትንክፍ'ዩ" ብምባል ፌስቡክ ነዚ ጽሑፍ ክኣልዮ ሓቲቱ። ፌስቡክ ግን ኣይተቐበሎን። እዚ ጽሑፍ ድማ ሓደ ካብቶም ሩሲያ ኣብዚ ዓመት ኣንጻር ማሕበራዊ ሚዲያ ምዕራብ ዝኸፈተቶም ልዕሊ 60 ክስታት ኮይኑ፡ እዚኦም ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዶላር መቕጻዕቲ ኣስዒቦም። ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣክል ተኸፊሉ ዝብል ግን ግልጺ ኣይኮነን። እንተኾነ እዚ ኣብታ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ምዝራብን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ዝገደበት ሃገር ክትንቀሳቐስ ኣጸጋሚ ምዃኑ የርእዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ መንግስቲ: እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝርከብ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝምራሕ ፋውንዴሽን ጸረ ብልሽውና ምስ ጣሊባንን እስላማዊ ጉጅለን ርክብ ዘሎዎ "ጥሩፍ" ትካል እዩ ክብል ውሳነ ኣሕሊፉ። ሓላፊ ቑጽጽር ሚዲያ [ሮስኮምንዳዞር] ኣንድሪ ሊፖቭ፡ ኩባኒያታት ማሕበራዊ ሚዲያ "ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ ነገራት" ርእዮም ከወግዱ ግዴታ ኣለዎም ኢሉ። ንሱ ምስ ጋዜጣ ኮሜርሳንት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እቶም ማሕበራዊ መራኸቢታት ስጉምቲ ክወስዱሎም ኣለዎም ዝበሎም ነገራት "ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ፣ ርእሰ ቕትለት፣ መዐወኒ ሓሽሽ፣ ሕሉፋዊ ኣተሓሳስባን ስኑዕ ዜናን" ክብል ጠቒሱዎም እዩ። ይኹን'ምበር ካብቶም ኣብ ልዕሊ 600 ልጣፋት ኣመልኪቶም ኣብ ልዕሊ ጉግል፣ ፌስቡክ፣ ኢንስተግራምን ትዊተርን ዝቐረቡ ክስታት፡ እቶም ትሸዓተ ምስ ብኢነተርነት ዝፍጸም ግህሰት ህጻናት ወይ ሓበሬታታት መዐወኒ እጽ ዝተሓሓዙ ኮይኖም 12 ጥራይ ድማ ምስ ርእሰ ቅትለት ይምልከቱ። እቶም ዝበዝሑ: ሰባት ናብቶም ንናቫልኒ ደጊፎም ዝካየዱ ሰልፍታት ክጽንበሩ ይጽውዑ። "ትካል ቑጽጽር ሚዲያ ኮነ ክረምሊን: ሩሲያ ፖለቲካዊ ምመያ ኣለዋ ክብሉ ኣይደልዩን" ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ሳርኪስ ዳርቢኒያን። ነቲ ሓለዋ ህጻናት ኣመልኪቶም ዝወሃቡ ወግዓዊ መግለጺታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ ድማ "እዚ ቓልሲ ንምንታይ ከም ዘድሊ ነቲ ተራ ህዝቢ ንምርዳእ ንብዓት ህጻን'ዮም ዝብለጹ" ኢሉ። ሮስኮምንዳዞር ርኢይቶ ክህብ ተሓቲቱ ኣይመለሰን። ወሃቢ ቃል ፕሬዝደንት ፑቲን ግን ቅድም ኢሉ እቶም ኣንጻር ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውሰዱ ስጉምታት ምመያ ዘይኮኑ ምኽባር ሕጊ ሩሲያ'ዮም ክብል ገሊጹዎ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝግበር ጸቕጢ ካብ 2015 ዝጅምር ኮይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢ ናይ ሩሲያውያን ተጠቀምቲ ውልቃዊ ሓበሬታ ኣብ ግዝኣት ሩሲያ ከቐምጡ ዘገድድ ሕጊ ተግባራዊ ምስ ኮነን መንግስቲ ነዚ ንዘየተግብሩ ትካላት ክቐጽዕ ወይ ክዓጽዎ ስልጣን ከም ዘለዎ ደንጊጋ። እተን ትካላት ምዕራብ ነዚ ብዘይምቅዋመን ኣብ 2016 ሊንክድኢን ከም ዝዕጾ ጌሩ እዩ። ጉግል፣ ሜታን ትዊተርን ድማ ካብ መጀመርታ 2020 ጀሚሩ ልዕሊ 600 ሽሕ ዶላር ተቐጺዖም። ኣብ 2016፡ መንግስቲ ሩሲያ ጉግል ብብዝሒ ሰባት ዝርእዩዎም ዝነበሩ ቪድዮታት ካብ ዩትዩብ ንክኣልን ንገሊኦም ክኣ ክዓጽዎም ሓቲቱ ነይሩ። ጸብጻብ ጉግል ከም ዘመልክቶ ካብ ካልኦት ሃገራት ብዝተፈለየ ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 10 ዓመታት ካብ መንግስቲ ሩሲያ ተመሳሰልቲ ጠለባት ቐሪቦምሉ'ዮም። እቲ ዝበዝሕ "ምስ ሃገራዊ ድሕነት" ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይገልጽ። ልክዕ ከምቶም ካልኦት ኩባኒያታት ምዕራብ ጉግል'ውን ገለ እቶም ሩሲያ እተቕርቦም ሕቶታት ይቕበል'ዩ። ኣብ መጀመርታ 2021 ግን፡ እቶም መንግስቲ ዘይደልዮም ሓበሬታታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ከይዝርግሑ ዝግበር ክትትል ወሲኹ። እዚ ብፍላይ ኣሌክሲ ናቫልኒ ካብ ሆስፒታል ጀርመን ናብ ሩሲያ ምስ ተመልሰ ጎሊሑ ተራእዩ። እቲ ፍሉጥ መራሒ ተቓዋሚ ኖቪቾክ ብዝተባህለ ባእታ ምስ ተሰመመ እዩ ናብቲ ሆስፒታል ኣትዩ፡፡ ናቫልኒ፡ ኣብ ሞስኮ ከተማታት ፒተርስበርግን ካልኦትን ብሰብ መዚ ፍቓድ ዘይተዋህቦ ሰልፊ ተቓውሞ መሪሑ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዓለ ይዝከር። እዞም ሰልፍታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብሰፊሑ ተዘሪቡሎም'ዩ። እዚ ካብ ሮስኮምናዳዞር ተቓውሞ ስለ ዘልኣለ እቶም ልጣፋት ካብቲ ኣብታ ሃገር ፍሉጥ ዝኾነ ማሕበራዊ ምትእስሳር 'ቪኮንታክት' [VK.com] ቐልጢፎም ክእለዩ ተገይሩ። እዚ ኣብ ክለብ ኣርሰናል ወናኒ ብርኪ ዝነበረ ኦሊጋርች ኣሊሸር ስማኖቭ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ እዩ። እተን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዕራብ ግን ከምኡ ንምግባር ተገዛእቲ ብዘይምዃነን ሮስኮምናዶዛር ናብ ቤት ፍርዲ ክኸሰን ጀሚሩ። ቐጺሉ ክኣ ትዊተር እቶም ጽሑፋትን ካልኦትን ኣየጥፍእን ብምባሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ትዊተር ዝነበረ ትራፊክ ወይ ዋሕዚ ክዝሕል ገይሩ። ስእሊን ቪድዮን ድማ ንክኽፈቱ እቶም ዝድንጉዩ ኮኑ። ጸኒሑ ድማ፡ ደገፍቲ ናቫልኒ ኣብ ሓደ ነቑጣ ምርጫ ድጋፎም ንምትሕብባርን ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ሩሲያ ንምስዓር ዘኽእሉ ዕድላት ንምዕባይን ዝዓለመ "smart-voting" ዝተባህለ መተግበሪ ክኣልዩዎ ንጉግልን ኣፕልን ኣእሚኑዎም። ሓላፊ ጉጅለ ናቫልኒ: ኢቫን ዝህዳኖቭ "ዘሕፍር ተግባር ፖለቲካዊ ምመያ" ብምባል ነቶም ኩባኒያታት ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ይኹንን። ድሒሩ ካብ ኣፕል ንዝተጽሓፈ ዓቀብቲ ሕጊ: እቲ መተገብሪ "ኣብ መረጻ ዘይሕጋዊ ኢድ ኣእታውነት" ክህሉ ይገብር ኣሎ ዝብል ክሲ ከም ዘቕረቡ ዝገልጽ ደብዳበ ኣብ ትዊተር ለጢፉ። እቲ ተቖጻጻሪ ሚዲያ ሮስኮምንዳዞር ድማ እቲ ኩባኒያ "ንሕሉፋት" የተባብዕ ኣሎ ክብል ከም ዘጠንቀቖ ጠቒሱ። ቢቢሲ፡ ንጉግል፣ ኣፕል፣ ሜታን ትዊተርን ንቃለ መጠይቕ ሓቲቱዎም እኳ እንተነበረ ርኢይቶኦም ንምሃብ ፍቓደኛታት ከይኮኑ ተሪፎም። ሮስኮምንዳዞር ንመተገግበሪ ናቫልኒ ሓዊሱ ነቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተለጠፉ ጽሑፋት ክእለዩ ኣብ ምግባር ከም ዝተዓወተ ይገልጽ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ትዊተር 91 ሚኢታዊት ናይቶም 5,900 ዘሰክፉ ትዊታት ከም ዝኣለየ ብምግላጽ ከኣ ነቲ ትሕዝቶታት ትዊተር ኣብታ ሃገር ንምኽፋት ዝግበር ምዝሓል ብኸፊል ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ። ይኹን'ምበር እቶም ክጠፍኡ ዝተገብሩ ናይ ትዊተር ጽሑፋት ካብ ገጽ ሩሲያውያን ተጠቀምቲ እምበር ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለው ሕጂ'ውን ይርእዩዎ'ዮም። ሓደ ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ጽሑፋት ኣሌክሲ ዝተባህለ መንእሰይ ነጣፊ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ምብራቕ ሞስኮ ከተማ ቮልጋ ንናቫልኒ ዝድግፍ ሰልፊ ምውዳቡ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ትዊተር ዘርጊሑ ዝብል እዩ። ሰብ መዚ እታ ከተማ ፍቓድ ስለ ዘይሃቡ ዝጥቀሞም ቃላት ተጠንቂቑ ብምምራጽ እቲ ቦታ "ክትኸድሉ ዘይግባእ" ዝብል ጽሒፉ'ዩ ሪትዊት ገይሩ። ወሲኹ "ፑቲን ናብኡ ክትኸዱ ስለ ዘይደሊ፡ ኣይትኺዱ!" ይብል። እንተኾነ እዚ ሮስኮምናድዞር ንትዊተር ናብ ቤት ፍርዲ ካብ ምውሳድ ኣየድሓኖን ትዊተር'ውን ነቲ ትሕዝቶ ብቕልጡፍ ኣልይዎ።። ሕጂ እቲ ልጥፎ ንሩስያውያን ተጠቀምቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ብዘተጽሓፈ "ብሕጋዊ ጠለብ ኣብ ሩስያ ከምዝእለይ ተጌሩ ኣሎ" ዝብል መልእኽቲ ተተኪኡ ይርከብ። ኣብ ካልእ ዓለም ግን ከምቲ መጀመርታ ዝነበሮ ኮይኑ ይንበብ። ኣሌክሲ ግን ቢቢሲ ክሳዕ ዘዘራርቦ እቲ ኣብ ትዊተር ዝጽሓፎ ብዛዕባ ምእላዩ ሓበሬታ ኣይነበሮን። እቲ ናይ መጀመርታ ትዊት ክሳብ ሕጂ ምህላው'ውን ኣግሪሙሉ'ዩ። ብኣንጻሩ ኣሌክሳንደር ዝተባህለ ፖለቲከኛ ከተማ ኮስትሮማ ሰሜን ምዕራብ ሞስኮ ብዛዕባ ሰልፊ ናቫልኒ ዝጽሓፎ ከም ዝተኣልየ መልእክቲ በጺሑዎ። ኣብ ቪኬ.ኮም ዘስፈሮ ተመሳሳሊ ጽሑፍ'ውን ጠፊኡ። ፌስቡክ ግን ሰብ መዚ ብዛዕባ እቲ ዝጽሓፎ ጥርዓን ከም ዘቕረቡ ነጊሩዎ፤ ነቲ ጽሑፍ ግን ኣየጥፍኦን። ሜታ ኢንስታግራምን ግና ገለ ከምዚኦም ዝበሉ ትሕዝቶታት ይኣልዩ እዮም። ኣብ መጀመርታ መፋርቕ 2021 መንግስቲ ሩሲያ ብዘቕረቦ ጠለብ 1,800 ትሕዝቶታት ካብ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ጠፊኦም እዮም። እቲ ኩባኒያ ፍርቂ ናይዞም ጽሑፋት "ምስ ጥሩፍነት ዝተሓሓዙ" ኢሉ ከም ዝመደቦም ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ክንደይ ግዜ ካብ መንግስቲ ዝመጽኣሉ ጥርዓን ነጺጉ ዝብል ግን ኣየርእን። ጸብጻብ ጉግል'ውን ካብ ሰብ መዚ ድሕሪ ዝቐርበሉ ተቓውሞታት ጽሑፋት ወይ ናይ ዩትዩብ ቪድዮታት ከም ዘጥፈአ ይሕብሩ። ኣብ መጀመርታ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 2021: 8 ሚኢታዊት ክነጽግ እንከሎ ኣብ 2019 ኣብ ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን 50 ሚኢታዊት ዝቐረብሉ ቅርታታት ተቐቢሉ ኣተኣናጊዱ እዩ። ሩሲያ ምንቅስቓስ ኩባኒያታት ማሕበራዊ ሚዲያ ንምዕጻው ዘኽእል ቴክኒካዊ ኣሰራርሓ ክህልዋ እንከሎ ውልቃዊ መረዳእታ ሩሲያውያን ተጠቀምቲ ኣብ ሩሲያ ክኸውን ብዘይምግባሮም ወይ'ውን ጎዳኢ ትሕዝቶ ኣለዎም ዝበለቶም ጽሑፋት ብዘይምጥፍኦም ክዕጸው ትገብር። ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ድማ ኣብታ ሃገር ቤት ጽሕፈት ኣይከፈትኩምን ብዝብል ክትዓጽዎም ትኽእል'ያ። ኣብዚ እዋን ዩትዩብ ኣብ ጀርመን ብዝርከብ ብመንግስቲ ሩስያ ዝምወል ማእከን ዜና 'ራሻ ቱደይ' ንዝውነን ገጽ ብምዕጻው ክረምሊን ንዩትዩብ ናይ ምዕጻው መጠንቀቕታ ዘርጊሑ ኣሎ። ይኹን'ምበር ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት [2021] ዘይሕጋዊ ትሕዝቶታት ብዘይምእላይ ንዝብል ከበድቲ መቕጻዕታት ኣተኣታትያ ኣላ። ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ሓላፊ ሮስኮምናድዞር ዝነበረ ውልቀሰብ እዞም መቕጻዕታት ሰብ መዚ ሩሲያ ንኩባኒያታት ምዕራብ ኣብ ዘሕሞም ክድስቑዎ ዘኽእሉ'ዮም፤ ክገብሩዎ ድማ እዮም ኢሉ። ፌስቡክ፡ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ናይ ሓሶት ‘ኣካውንት’ ምጥቃም ደው ከብል ኣተሓሳሲቡ ፌስቡክ ናብ ክፍሊ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝኾኑ ውልቀሰባት ስለላ ንምክያድ ናይ ሓሶት ‘ኣካውንት’ ምጥቃም ደው ከብል ጸዊዑ። እዚ መተሓሳሰቢ ዝቐረበ ድማ፡ ፖሊስ ኣሜሪካ ገበናት ንምጽራይ ዝሰርሖም ስራሕቲ ንምቅልጣፍ ምስ ትካል ቴክኖሎጂ ብምትሕብባር ናይ ተጠቀምቲ ዳታ ይፍትሽ ምዃኑ ዝሕብር ጸብጻብ ብዘጋርዲያን ምስተቓልዐ’ዩ። ፌስቡክ ስኑዓት ዝኾኑ ‘ኣካውንት’ ምኽፋትን ምጥቃምን ብጥብቂ ከም ዝኽልክል’ዩ ዝገልጽ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ “ሰባት ንሓድሕዶም ዝተኣማመኑሉን ተሓታትነት ዘለሉን ውሑስ ኩነታት ንምፍጣር ብዝብል’ዩ” ክብል የረድእ። ክፍሊ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ኣባላቱ ብኦንላይን ኣብ ዘፈጽምዎ ስራሕቲ ምርመራ ገበናት ዝሕግዞዎም ስኑዓት ኣካውንት ንክኸፍቱ ዘተባብዑ ፖሊሲታት ከም ዘለውዎ ፌስቡክ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ሓቢሩ’ሎ። “ሕጋውነት እዞም ፖሊሲታት ንክፍሊ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ዝምልከት’ኳ እንተኾነ፤ ኣባላት ፖሊስ ግን ኣብ ናትና ኣገልግሎት ‘ኣካውንት’ ንምኽፋት ንፖሊሲታት ፌስቡክ ክግዝኡ ኣለዎም” ኢሉ እቲ ብምኽትል ፕረዚደንት ፌስቡክ ሮይ ኦውስቲን ዝተጽሓፈ ደብዳበ። ኣስዒቡ ድማ፡ እቲ ክፍሊ ፖለስ ናይ ሓሶት (ስኑዕ) ኣካውንት ካብ ምኽፋት፣ ንኻልእ ሰብ መሲሉ ብዝኸፍቶም ኣካውንት ካብ ምጥቃምን ንምርመራ ዝውዕል መረዳእታ ካብ ምእካብን ክዕቀብ ኣተሓሳሲቡ። ገለ መረዳእታት ከም ዘመልክትዎ፡ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ካብ ናይ ተጠርጠርቲ ወይ መሓዙቶም ኣካውንት መረዳእታ ንምርካብ ብዝብል ዕላማ ንማሕበራዊ መራኸቢ ዝፍትሽ ሶፍትዌር ይጥቀም’ዩ። እቲ ሶፍትዌር ገበናት ንምጽራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ኣዝዩ ብዙሕ መረዳእታ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጊዜ ናይ ምትንታን ዓቕሚ ኣለዎ። ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ግን እቲ ሶፍትዌር፡ ኣብ ጎደናት ብጉጅለ ንዝፍጸሙ ገበናት፣ ስርቂን ቅትለት ሰብን ንምምርማር ጥራሕ ከም ዝጥቀመሉ ይገልጽ። ኢላ ክትሓትት ይግባእ" ኢሉ። ፌስቡክ ምስ ነቐፌታ ነባር ሰራሕተኝኡ'ኳ እንተዘይተሰማምዐ "ኣብ ኢንተርነት መልክዖም ዝሓለው ሕግታት ክስርሑ ግዝኡ'ዩ" ዝብል ከም ዝቕበሎ ገሊጹ። "ሕግታት ኢንተርነት ካብ ዝመሓየሹ 25 ዓመታት ገይሮም፤ እቲ ኢንዳስትሪ ንሓገግቲ ዝምልከት ማሕበረሰባዊ ውሳነ ከምጽእ ካብ ምጽባይ እቲ ባይቶ ስጉምቲ ዝወስደሉ ግዜ'ዩ" ኢሉ። ዶናልድ ትራምፕ ካብ ፌስቡክን ኢንስተግራምን ንክልተ ዓመት ተኣጊዱ ኩባኒያ ፌስቡክ፡ ማሕበራዊ መጥቀሚታት ፌስቡክን ኢንስተግራምን ፕሬዝደንት ኣመሪካ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ ንክልተ ዓመት ኣጊዱዎም። ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ንዘጋጠመ ናዕቢ ዘለዓዕል ጽሑፍ ጽሒፉ ብዝብል ካብ ክልቲኦም ማሕበራዊ መራኸቢታት ክእገድ እንከሎ፡ ትራምፕ "ኣብ ልዕሊ ሕግታትና ከቢድ ጥሕሰት" ፈጺሙ'ዩ ክብል ከሲሱዎ። ትራምፕ ብወገኑ እቲ ስጉምቲ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ድምጺ ዝሃቡዎ ሚሊዮናት "ጸርፊ'ዩ" ክብል ምላሽ ሂቡሉ። ፌስቡክ ነዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ቅድም ኢሉ ንፖለቲከኛታት ዝህቦ ዝነበረ ፖሊሲ ሽፋን ከብቅዕ ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ። በዚ መሰረት ድሕሪ ሕጂ ፖለቲከኛታት ዝህቡዎ መጋገዪ ወይ'ውን ናይ ጸርፊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጽሑፋት ፖለቲከኛታት ከም ዘይዕገስ ኣፍሊጡ። መጥቀሚታት ማሕበራዊ ሚዲያ ዶናልድ ትራምፕ ብ7 ጥሪ 2021 ጀሚሩ ከም ዝተዓጸው ምኽትል ዓለምለኻዊ ጉዳያት ፌስቡክ ኒክ ክሌግ ሓቢሩ። "ንዶናልድ ትራምፕ ንምእጋድ ድርኺት ዝኾኑና ኣጋጣሚታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተግባራቱ ከቢድ ቕጽዓት ዘስዕቡን ሕግታትና ዝጥሓሱን ምዃኖም ንኣምን። ሕጂ'ውን ንድሕነት ህዝቢ ዘስግኡ ጉዳያት ምህላዎም እንተፈሊጥና እቲ ናይ እገዳ ግዜ ከነናውሖን ክሳብ እቲ ሓደጋ ዝጎድል ክንከታተሎን ኢና" ኢሉ። ድሕሪ'ዚ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ "ውሳነ ፌስቡክ ነቲ ድምጹ ዝሃበ 75 ሚሊየን ህዝቢ ጸርፊ'ዩ" ክብል እንከሎ "ክንድ'ዚ ዝኣክል ርሕቐት ምመያ ክኸዱ ኣይምተገብአን፤ እንተኾነ ሕጂ'ውን ክንስዕር ኢና" ኢሉ። ኣብቲ ማሕበራዊ መጥቀሚታቱ ንክልተ ዓመት ከም ዝተኣገዱ ዝገልጽ ውሳነ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ ትራምፕ ንመስራቲ ፌስቡክ ድሂሉዎ። "ቐጻሊ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ተመለስኩ፡ ምስ ማርክ ዙከርበርግን በዓልቲ ቤቱን ናይ ድራር እንግዶት ኣይህልወናን። ርክብና ናይ ስራሕ ጥራይ'ዩ ዝኸውን!" ኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ዶናልድ ትራምፕ ብናይ ባዕሉ ማሕበራዊ መጥቀሚ ተቐልቂሉ ከም ዝነበረ ይዝከር። ይኹን'ምበር ወርሓዊ ልዕሊ ክልተ ቢሊየን ተጠቀምቲ ዘለውዎ ኩባኒያ ፌስቡክ፡ ንትራምፕ ካብ ትዊተር፣ ዩትዩብ፣ ስናፕቻት፣ ትዊችን ካልኦት ዓይነታት መራኸቢታትን ኣጊዱዎ ይርከብ። ኣብ ዝሓፈለ ወርሒ ደጋፊ ትራምፕ ኣባል ሪፐብሊካን ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሮን ዴሳንቲስ፡ ኣብ ኣመሪካ ናይ መጀመርታ ዝተባህለ ንፖለቲከኛታት ዝእግዱ ኩባኒያታት ዝቐጽዕ ሕጊ ፈሪሙ'ዩ። ኣካውንትታት ትዊተርን ኢንስታግራምን ፌስቡክ ተሰርሲሮም ኣካውንት ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቁጽጽር ሰርሰርቲ ኣትዩ ከምዝነበረ ተገሊጹ። እቲ ኣወርማይን (OurMine) ዝተብሃለ ጉጅለ ሰርሰርቲ፡ ኣብ ትዊተርን ኢንስታግራምን ኣብ ዝርከብ ኣካውንትታት ፌስቡክን መሰንጀርን ሰርሲሩ ብምእታው "ዋላ ፌስቡክ 'ውን ይስርሰር እዩ" ዝብል ጽሑፍ ለጢፉ ነይሩ። እቶም ተሰርሲሮም ዝነበሩ ኣካውንትታት ኣብዚ ሰዓት ተመሊሶም እዮም ዘለዉ። እቲ ጉጅለ ሰርሰርቲ፡ ኣብዚ ወርሒ ናይ ብዙሓት ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኣካውንት ዝሰርሰረ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ሕዚ ተግባር ጉዳይ ሳይበር ተኣፋፊ ምዃኑ ንምርኣይ ዝገበሮ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ጉጅለ ኣብ ናይ ፌስቡክ ትዊተር ኣካውንት " ሰላም፡ ኣወርማይን ኢና፤ ዋላ ንፌስቡክ 'ውን ምስርሳር ይከኣል እዩ። እንተነኣሰ ግን ድሕነቶም ካብ ትዊተር ዝሓሸ እዩ" ብምባል ጽሒፉ። ብተወሳኺ ኣብ ኢንስታግራም ዝርከብ ኣካውንትታት ፌስቡክን መሰንጀርን ብምስርሳር፡ ናይቲ ጉጅለ መለለዪ ምልክት (ሎጎ) ለጢፉ እዩ። ናይ ፌስቡክ ናይ ባዕሉ ድህረ ገጽ ግን ኣይተሰርሰረን። ትዊተር፡ እቲ ምስርሳር ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ቀልጢፉ ነቶም ኣካውንትታት ከምዝዓጸዎምን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ፌስቡክ ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎን ገሊጹ። እቲ ሰርሳራይ ጉጅለ ክሆሮስ ዝተብሃለ መተግበሪ ተጠቒሙ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ 'ውን ትዊተር ገሊጹ ኣሎ። መሰረቱ ኣብ ዱባይ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ሰራሳራይ ጉጅለ ኣወርማይን፡ ናይ ዓበይቲ ትከላትን ፍሉጣት ሰባትን ኣካውንትታት ሰርሲሩ እዩ። ቅድሚ ሕዚ ኣካውንትታት ወናኒ ትዊተር ጃክ ዶርሰይን፡ ዳይረክትር ጉግል ሱንዳር ፒቻይን ግዳይ ምስርሳር እቲ ጉጅለ ኮይኖም ዝነበሩ እንትኾን ከም ነትፍሊክስን ኢኤስፒኤንን ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ድማ በቲ ጉጅለ ተሰርሲሮም ነይሮም። እቲ ጉጅለ ናይ ድሕነት ጉድለታት ንምርኣይ ኢሉ ነቶም መጥቃዕቲታት ከምዝፍጽምን፡ እቶም ግዳያቱ ድማ ናቱ ናይ ድሕነት ግልጋሎታት ክጥቀሙ ክምዕድ ጸኒሑ እዩ። ፌስቡክ ‘ድምጺ ትራምፕ’ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣልይዎ ኩባንያ ፌስቡክ ነቲ ኣብ ገጽ በዓልቲ ቤት ኤሪክ [ወዱ ንትራምፕ] ዝኾነት ላራ ተጠቂዑ ዝነበረ ቪድዮ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣልይዎ። እቲ ኩባንያ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ህንጻ ካፒቶል [መእከቢ ኣባላት ኮንግረስ] ዝተወለዐ ናዕቢ ስዒቡ ትራምፕ ንማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ከይጥቀም ከምዝኣገዶ ይዝከር። ንፎክስ ኒውስ መደባት ሰሪሓ እተቕርብ ላራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባ ኣትኲራ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ዝገበረቶ ቃለመሕትት’ያ ኣብ ፌስቡክ ጠቂዓ። ነቲ ቪድዮ ካብ ዝጠቀዓትሉ እዋን ቁሩብ ጸኒሓ ካብ ፌስቡክ ዝበጽሐ እቲ ቪድዩ ክእለ ከምዝኾነ ዘጠንቅቕ መልእኽቲ ብስእሊ ኣሰንያ መልእኽቲ ዘርሒሓ። “ናይ ዶናልድ ትራምፕ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ንምዕጻው ብዝወሰንናዮ መሰረት፤ ብድምጺ ዶናልድ ትራምፕ ዝጥቃዕ ካልእ ትሕዝቶ’ውን ክእለይን ኣብቲ ገጽ’ውን ተወሳኺ ገደባት ክንበርን እዩ” ይብል እቲ ካብ ፉስቡክ ናብ ላራ ዝበጽሐ መልእኽቲ። ፌስቡክ ኣብ ህንጻ ካፒቶል ንዝተወለዐ ናዕቢ ስዒቡ ንናይ ትራምፕ ገጽ ዝዓጸወ ኮይኑ ኣብዚ እዋን ከኣ ብዘቖሞ ሓድሽ ቦርድ ነቲ ጉዳይ የገምግሞ ኣሎ። ናይ ትራምፕ ፌስቡክ ንኽዕጾ ምስተወሰነ መስራትን ኣካያዲ ስራሕን እቲ ኩባንያ ማርክ ዙከርበርግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኣብዚ እዋን ትራምፕ ንኣገልግሎትና ክጥቀም ምፍቃድ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤናት ክንድምንታይ ከቢድ ከምዝኸውን ንኣምን ኢና” ኢሉ ነይሩ። ዶናልድ ትራምፕ ካብ ትዊተርን ዩ ቱዩብን እውን ከምዝተኣገደ ይፍለጥ። ፌስቡክ ኣብ ግብጺ ኮይኖም ንኢትዮጵያ ዝምልከት መልእኽቲ ዝጽሕፉ ገጻት ዓጽዩ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ፡ መሰረቶም ኣብ ግብጺ ብምግባር ንኢትዮጵያ ዝምልከት መልእኽታታ የመሓላልፉ ነይሮም ዝበሎም ኣካውንትታት ከም ዝዓጸወ ኣፍሊጡ፡፡ እቶም ኣካውንትታት፡ ኣብ ጉዳይ ወጻኢ ሃገራት ጣልቃ ዘይምእታው ዝብል መምርሒ እቲ ትካል ብምጥሓሶም ከም ዝተዓጸዉ ፌስቡክ ገሊጹ፡፡ "ኣብ ግብጺ ኮይኖም ንኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ቱርክን ዝምልከት ጽሑፍ ዝጽሕፉ 17 ናይ ፌስቡክ ኣካውንትታት፣ ሽዱሽተ መርበባት ሓበሬታን ሰለስተ ናይ ኢንስታግራም ኣካውንትታን ዓጺና" ይብል። ካብቶም ኣብ ግብጺ ኮይኖም ብዛዕባ ኢትዮጵያ ሓበሬታ እናሃቡ ዝነበሩ ገጻት እቲ ሓደ "ንግድብ ህዳሰ ዝነቅፍ ጽሑፋት ዘቕርብ" ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ። እቲ ትካል፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 'ባህርያት ዝተዋደደ ስኑዕ ሓበሬታ' ብዝብል ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ እዩ ነቲ መረዳእታ ሂቡ ዘሎ፡፡ እቶም ኣካውንትታን ገጻትን ፌስቡክ፡ ዓርሶም ንምልላይ 525 ሽሕ ዶላር ከም ዝኸፈሉ እቲ ትካል ገሊጹ። ምስ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ዘካየደኦ ዘተ ብዘይፍረ ከም ዝተበተነ ይዝከር፡፡ ቱርኪ ብወገና ምስቲ ንግብጺ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ዘለዋ ርክብ ጽቡቕ ዝበሃል ኣይኮነን፡፡ ነቲ ፌስቡክ ዘውጸኦ ጸብጻብ ብዝምልከት፡ ካብ መንግስታት ኢትዮጵያን ግብጽን ዝተባህለ ነገር የለን፡፡ ቢልዮናት ተጠቀምቲ ዘለዎ ዝዓበየ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ፡ ናይ ማሕበረሰብ ኣጀንዳን ኣመለኻኽታን ንምቕያር ብፌስቡክን ካልኦት ፌስቡክ ዝቆጻጸሮም ማሕበራዊ መራኸብታትን ዝካየዱ ወፍሪታት ንምቁጽጻር ይሰርሕ ከም ዘሎ ይገልጽ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብ ዝዓጸዎም ኣካውንትታትን ገጻትን ገሊኦም ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ተኸተልቲ ዒላማ ገይሮም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ከም ዝኾኑ ኣመልኪቱ፡፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ወርሒ ኣብ 11 ሃገራት ኮይኖም "ናይ ሓሶት ወፍሪ" ከካይዱ ረኺበዮም ዝበሎም 14 ኔትዎርክታት ከም ዝዓጸወ ኣፍሊጡ እዩ፡፡ ትኹረቶም ካብቲ ዝርከብሉ ሃገር ወጻኢ ገይሮም ስኑዕ ሓበሬታ የመሓላልፉ ካብ ዝነበሩ ሓደ፡ መሰረቱ ኣብ ግብጺ ከም ዝነበረ ፌስቡክ ሓቢሩ። ፌስቡክ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብ ድሕሪ እቶም ኔትዎርክታት ዘለዉ ሰባት ሓቀኛን ስኑዕን ኣካውንትታት ሓዊሶም ዝጥቀሙን ስሞም ከይተረፈ ዝቕይሩን እዮም ነይሮም፡፡ ብተወሳኺ፡ እዞም ገጻት ሰዓብቶም ኣብ ዘለዉዎ ሃገር ከም ዝርከቡ ንምምሳል ዝፈተኑ ኮይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ሓጋይ 2020 ብስፍሓት ይንቀሳቐሱ ከም ዝነበሩ ገሊጹ፡፡ እዞም ገጻት፡ ብቋንቋታት ሰዓብቶም ዝርከቡለን ሃገራት ማለት ኣምሓርኛ፣ ዓረብኛን ቱርክን ዜናታትን ፖለቲካዊ ክስተታትን የቕርቡ ነይሮም፡፡ "ብዛዕባ መንግስቲ ግብጺ ከምኡ እውን ርክብ ሱዳንን እስራኤል ጸቡቕ ነገራት፡ ብኻሊእ ገጽ ድማ ብዛዕባ ፖሊሲ ርክባት ወጻኢ ቱርክን ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ወቐሳታት የቕርቡ ነይሮም" ይብል ፌስቡክ፡፡ ብተወሳኺ እቶም ነተን ገጻት ዘመሓድሩ ውልቀ ሰባት መንነቶም ንምሕባእ ከም ዝፈተኑን፡ እቲ ትካል ብዝገበሮ ምርመራ ኣብ ግብጺ ምስ ዝርከብ ቢ-ኢንተርኣክቲቭ ዝተባህለ ናይ መሸጣ ትካል ርክብ ከም ዘለዎም ኣረጋጊጽና ኢሉ፡፡ እቶም ዝተኣገዱ ገጻት ብሓፈሻ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰዓብቲ ዝነበሮም እንትኾን ትሕዝቶታቶም ድማ ገንዘብ እናኸፈሉ የወዓውዑ ከም ዝበሩ እቲ ትካል ማሕራዊ መራኸቢ ኣፍሊጡ፡፡ "ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ንምውዕዋዕ 525 ሽሕ ዶላር ወጻኢ ገይሮም" ዝበለ ፌስቡክ፡ እቲ ክፍሊት ድማ ዝበዝሕ ብናይ ግብጺ ፓውንድን ዶላር ኣመሪካን ከም ዝተፈጸመ ኣብሪሁ፡፡ ፌስቡክ ተመሳሳሊ ስጉምቲ እንትውስድ እዚ ንፈለማ ግዘ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2020፡ ልዕሊ 2000 ዝኾኑ ስኑዓት ኣካውንትታት፣ ገጻትን ጉጅለታትን ከም ዝዓጸወ ገሊጹ ነይሩ፡፡ ህጻናት ናይ ፌስቡክ ‘ላይክ’ ምስኣን ንገዛእ ርእሶም ክጸልኡ ይገብሮም ከምዘሎ ተገሊጹ ጆሽዋ ሃይለየሱስ ኣብ ቲክቶክ ብዝተገበረ "ብላክ ኣውት ቻለንጅ" ስለዝተሳተፈ እዩ ህይወቱ ስኢኑ። እቲ ጸወታ ንገዛእ ርእስኻ ንሒደት ደቃይቕ እንከይተንፈስካ ብምጽናሕ፡ ዝግበር ንሕንሕ'ዩ። እቲ ናይ ቲክቶክ ንባዕልኻ ሓኒቕካ ደምን ኣየርን ከይሓልፉ ብምግባር ንቕሩብ ደቃይቕ ውነኻ ስሒትካ ናይ ምንቃሕ ውድድር ይሳተፍ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ውንኡ ስለዝጠፍኦ፡ ናብ ሆስፒታል ተወሰዱ'ኳ እንተነበረ ክድሕን ኣይከኣለን። እዚ ድማ ኣብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ። ቢቢሲ ነዚ መሰረት ብምግባር ህጻናት ማሕበራዊ ሚድያ ክጥቀሙ'ዶ ይግባእ? ክጥቀሙ እንተኾይኖም'ከ ብኸመይ? ናይ ስድርኦም ክትትል'ከ እንታይ ክመስል ኣለዎ? ዝብሉ ዛዕባታት ኣልዒልና ምስ በዓል ሞያ ስነ ልቦና ህጻናት ቴዎድሮስ ጌቴን ኣውጊዕና ኣለና። ከም ገለጻ ኣቶ ቴዎድሮስ እንተድኣኾይኑ ማሕበራዊ ሚድያ ንዓበይቲ ሰባት'ውን እንከይተረፈ ጽቡቕን ሕማቕን'ውን እዩ። እቲ ዘገድስ ኣብ ኣጠቓቕማ እዩ። ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድምኦም ሰባት ናይ ብሕታውነት ስምዒት እንትስምዖም ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒሞም ምስ ካልኦት ሰባት ከውግዑን ኢሂን ሚሂን ክብሉ ይኽእሉ እዮም፣ እዚ ድማ ከም እወንታዊ ጎኑ ክርአ ከምዘለዎ'ዩ ኣቶ ቴድሮስ ዝምዕድ። እንተኾነ ግን እዞም ሰገናት ናይ ኣእምሮኦም ምዕባለ ኮነ ዝተነግሮም ነገር ዝርድእሉ መገዲ ብምኽንያት ኢሉ እውን ኣብ ውጽኢት ዝተሞርኮሰ ስለዘይኮነ ብጥንቃቐ ክርኣዩ ከምዘለዎም'ዩ ዝመክር። ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጽልዋ ዓብይን ካብቲ እንሓስቦ ኣመና ከቢድን ከምዝኾነ እቲ በዓል ሞያ ኣብሪሁ። ንኣብነት "ሓደ ናይ ቲክቶክ ተጠቃሚ ዝኾነ ሰብ ዝኾነ ነገር እናፈጸመ ዘርኢ ቪድዮ እንተጠቂዑ፣ ኣብ ክሊ እዚ ዕድመ ዘለዉ ህጻናት 'እዚኣስ ኣይተኣብየንን'ያ' ኢሎም ክደግምዋ ይረኣዩ። እቲ ምኽንያት ድማ ኣብዚ ዕድሚኦም እዚ ኩሉ ነገር ናይ ምግባር ተኽእሎ ከምዘለዎም ዝኣምንሉ ግዜ ስለዝኾነ'ዩ። ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ሰዓብቶም ድማ ብሓቂ ምስኣቶም ከምዘለዉ ገይሮም ዝቖጽርዎም "ካብቲ ብምኽንያትን ውጽኢትን ዝኣምን ሓንጎሎም ንላዕሊ ኣነነት ብዝዓብለሎ ስምዒት ተገኒሖም ንነገራት ዝፍጽምሉ ግዜ ይበዝሕ። ብፍላይ እዚ ዕድመ እዚ ኣነ መን እየ? ኢሎም ዝምክሕሉ ናይ ጉርምስና ክሊ ዕድመ'ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝውዝዕዎም ትሕዝቶታት ብዙሕ 'ላይክ' ከምዝረኸበ ንምርኣይ ስለዝደልዩ ቁጽሪ ስዓብቶም ብእኡ መጠን ከብዝሑ ይጽዕሩ። ስለዝኾነ'ውን እዞም ቆልዑት እቲ ዝለጠፍዎ ክንደየናይ ተፈትዩለይ ክንደይ ሰብ'ከ ናብ መሓዙቱ ኣባጺሑለይ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለዎም እምበር ኣሉታዊ ሓደግኡ ከምዘይረኣዮም ኣቶ ቴድሮስ ገሊጹ። ተፈታውነት ኣብ ደምበ ማሕበራዊ ሚድያ ህጻናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወዝዕዎ ትሕዝቶ ብብዙሓት እንተድኣተፈትዩሎም ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ንሳቶም ዝደልይዎ እንተይኮነስ ብዛዕባ ሰዓብቶም ዝፈትውዎ ነገር ንምውዛዕ ክጭነቑ ከምዝረኣዩ ዝገልጽ ኣቶ ቴድሮስ፡ እቲ በዝሒ 'ላይክ' የርክበልና እዩ ኢሎም ዝለጠፍዎ ትሕዝቶ ካብቲ ዝሓሰብዎ ብኣንጻሩ እንተኾይኑ ከኣ ሕቶ የልዕለሎም። እቲ ምኽንያት እቲ ዝወሃቦም ርእይቶ ዘመዛዝንሉ ዕድመ ስለዘይኮነ'ዩ። ከይዱ ከይዱ ድማ ንጭንቀትን ቅዛነትን ከምዝዳርጎምን ክሳብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸሊኦም ህይወቶም ከምዘጥፍኡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተገበሩ መጽናዕትታት የረድኡ። እዚ ስግኣት ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ'ውን ብተመሳሳሊ ኣንጸላልዩ ከምዝርከብ በዓል ሞያ ስነ ልቦና ህጻናት ኣቶ ቴድሮስ ሓቢሩ። ኣቶ ቴድሮስ ካብ ናይ ባዕሉ ተሞክሮ ጀሚሩ ክሳብ ንስራሕ ኢሉ ዘዘራረቦም ናይ ካልኣይ ደረጃ ተምሃሮ መሰረት ገይሩ ማሕበራዊ ሚድያ ዝፈጥሮ ዘሎ ጽልዋ ከምዚ ዝስዕብ ገሊጽዎ። "ተምሃሮ ኣብ ውሽጢ መምሃሪ ክፍሎም ኮይኖም ብዛዕባ ክጥቅዕዎ ዝደልዩ ናይ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ስእሊ ከምዝሓስቡን ሓደ ሰገን ሓንቲ ስእሊ ጠቂዑ ብዙሓት ሰዓብቲ እንተዘይረኺቡ እሞ፡ ብኣንጻሩ ካልኦት መሓዙቱ ብዙሕ 'ላይክ' እንተረኺቦም ክጭነቕ ይጅምር" ስድራ ህጻናት እንታይ'ዮም ክገብሩ ዘለዎም? ኣብዚ ዘለናሉ ዘበን ናይ ቤተሰብ ምሕደራ ሜላ ክቕየር ወይ'ውን ክመሓየሽ ከምዘለዎ ኣቶ ቴድሮስ ይምዕድ። "ህጻናት ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ክመሃሩ ስለዝኽእሉ እቲ ዕድል ክወሃቦም ይግባእ። ንኣብነት ህጻናት ካብ ዩትዩብ ምግቢ ከመይ ከምዝስራሕን ካልኦት ኢደ ጥበባትን ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። እንተኾነ ግን እዚ'ውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ቤተሰብ ክኸውን እዩ ዘለዎ"። ኣብ ብዙሕ ስድራ ቤታት ዝምዕብል ዘሎ ግን ብግልባጡ ከምዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ቴድሮስ፡ "ህጻናት ናይ ኢንተርኔት ኣገልግሎት እንተረኺቦም ስለዘይርብሹን እዚ ግበሩለይ ስለዘይብሉን ከም ድሌቶም ንክኾኑ ይፈቕድሎም" ኣለዉ ይብል። ስለዝኾነ'ውን ወለዲ ንደቆም ናይ ማሕበራዊ ሚድያ መሳለጥያታት እንትህብዎም፣ 1. ትልሚ ኣውጽኢኻ ናይ ህጻናት ግዜ ማሕበራዊ ሚድያ ምግዳብ። 2. እንታይ ከምዝጥቀሙ ፈሊጥካ ምክትታል 3. ምስ ደቆም ብግልጺ ምውጋዕ 4. ንህጻናት ዝተፈቐዱ መተግበሪ ጥራይ ፈቒድካ እቶም ካልኦት ምዕጻው 5. ቴክኖሎጂ እናማዕበለ ኣብ ዝሰጎመሉ እዋን ድማ፡ ወለዲ ምስ ናይ ደቆም ቴሌፎን ኣራኺቦም እንታይ ከምዝጥቀሙ ክከታተሉ ይኽእሉ እዮም። ወለዲ ምስ ደቆም ናጻን ግልጽን ብዝኾነ መገዲ ኢሂን ሚሂን ክብሉ ከምዝግባእ፡ በዓል ሞያ ስነ ልቦና ኣቶ ቴድሮስ ማዕድኡ ለጊሱ'ሎ። ፌስቡክ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ዓማዊሉ ዜና ንኽዝርግሑ ሰልዲ ከኽፍሎም ክጅምር’ዩ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ዓማዊል ፌስቡክ ዜናዊ ትሕዝቶ ዘሎዎ ጽሑፋት ዓንቀጻትን ንምዝርጋሕን ንምንባብን ሰልዲ ክኸፍልሉ ዘገድድ ሕጊ ይንደፍ ኣሎ። ተቖጻጸርቲ ኣካላት ኣብ ፌስ ቡክን ኣብ ጎግልን ዝዝርጋሕ ዜናዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፋት ፉስቡክን ጎግልን ክኸፍላሉ ኣለወን እዮም ዝብሉ። ፌስ ቡክ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኣውስትራልያ ዜናታት ኣብ ፌስ ቡክ ክዝርግሑ ዝፈተኑ ሰባት ክዓጽዎም ምስ ጀመረ ኣብ ሞንጎ ፌስ ቡክን ተቆጻጸርቲ ኣካላትን ምፍሕፋሕ ክረአ ጸኒሑ’ዩ። ፌስ ቡክ፡ እዚ ሕጂ ዝነድፎ ዘሎ ሕጊ እንተጸዲቑ ኣውስትራልያውያን ኣብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ከይከፈሉ ዜና ክዝርግሑን ዜና ከንብቡን ኣይክኽእሉን’ዮም። ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ክፍሊ ፌስቡክ ነቲ ሕጊ የርቅቖ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ሞንጎ ኣሕተምትን ፌስቡክን ምዕሩይ ዝኾነ ምርብባሕ ንኽህሉ ከምዝሕግዝ እዩ ዝገልጽ። ኣብ ኣውስተራልያን ኒውዝላንድን ዳይረክተር ፌስቡክ ዝኮነ ዊል ኢስቶን “እቲ ሕጊ ዳይናሚካዊ ሓይሊ ናይ ኢንተርኔት ኣብ ግምት ዘይተወ ክመስል ይኽእል እዩ። እንተኾነ ቀዳማይ ምርጫና ዘይኮነስ ናይ መወዳእታ ምርጫና ገይርና ኢና ንወስዶ” ኢሉ። ዊል ኢስቶን ፌስ ቡክ፡ ኣብ ኣውስተራልያ ንዝርከባ ማዕከናት ዜናታት ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽት ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት 2.3 ቢልዮን ‘ክሊክ’ ከምዘምጽኣለንን እዚ ብሰልዲ ክትመን እንከሎ ኣስታት 148 ሚልዮን ዶላር ከምዝኾነ እዩ ዘረድእ። ውሃቢ ቃል ፌስቡክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ ነዚ እገዳን ክፍሊትን ዝምልከት ኣብ ቀረባ ግዜ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክንህብ ኢና” ኢሉ። ፌስቡክ 'ጽያፍ' ትሕዝቶታቱ ክኣልይ ክግደድ እዩ ፌስቡክ ኮነ ካልኦት መርበብ ሓበሬታታት ዝጠቅዑዎም ጽያፍ ትሕዝቶታት ከልግሱ ክግደዱ ከምዝኽእሉ ሓደ 'ታሪኻዊ' ዝተብሃለ ብይን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣመላኺቱ። እቶም መርበብ ሓበሬታታት፡ ክሳብ ዝጥቆሙ ከይተጸበዩ፡ 'ሕጋዊ ኣይኮነን' ኢሎም ዝኣመኑሉ ዝኾነ ትሕዝቶ፡ ብዓርሰ ተበግሶ ከልግሱ ከምዝግባእ ድማ ካብቲ ዝተውሃበ ብይን ምርዳእ ተኻኢሉ'ዩ። ሓደ በዓል ሞያ፡ ጽልውኡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት መርበብ ሓበሬታታት ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፡ እዚ ተመሓላሊፉ ዝተብሃለ ታሪኻዊ ብይን፡ ዓለምለኻዊ መልእኽቲ ዝሓዘለ እዩ ኢሉዎ። ፌስቡክ ግን ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ 'ሓሳብካ ብናጻነት ናይ ምግላጽ መሰል' ዓበይቲ ሕቶታት ዘልዕል ኣሰካፊ ብይን ኢሉዎ። ፌስቡክ ባዕሉ ኣሊሹ ዘይሕጋዊ ዝኾኑ ትሕዝቶታት ክኣልይ ከምዘለዎ እዩ ዘርኢ ተባሂሉ። እንተኾነ ሕጋውን ዘይሕጋውን ዝበሃሉ ድንጋገታት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ስለዝፈላለዩ፡ ውጹእ ዓለምለኻዊ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ዘየለሉ ኩነታት ከመይ እዩ ተግባረዊ ክኸውን፡ ዝብል ሕቶ ብዙሓት ኮይኑ'ሎ። ብፍላይ ንሰብ ፌስቡክ ድማ ጭንቂ ፈጢሩሎም ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ብብዝሒ ሰባት ብሕማም ዓሶ ይተሓዙ ከም ዘለዉ ተገሊፁ ቤት ፅሕፈት ክንክን ጥዕና ክልል ዓፋር እቲ ናይ ሰሜን ኢትዮጵያ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ዘውረዶ ዕንወትን ዘረፋን ኣብ ልዕሊ ከይዲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ተጽዕኖ ከምዘሕደረ ገሊፁ’ሎ። ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና’ቲ ክልል ኣቶ አኢቲክ ኑአሬ ንድምፂ ኣመሪካኣብ ዝሃብዎ ቃል እቲ ከባቢ ዓሶ ዘጥቅዖ ከባቢ ከምዝኾነን ምስቲ በቲ ኲናት ዝወረደ ዕንወትን ዘረፋን ትካላት ጥዕና ንከይዲ ምክልኻል ሕማም ዓሶ ከም ዘተዓናቀፈ ነቲ ፀገም’ውን ከም ዘጋደዶን ገሊፆም። እተን ትካላት ብቅልጡፍ ሰርሓን ክጅምራ ፃዕሪ እንተተገብረ’ዃ ግን ምስ ስፍሓት’ቲ ፀገም ከምቲ ዝድለ መጠንን ቅልጣፈን ነቲ ኣገልግሎት ናብቲ ዝነበሮ ምምላስ ከምዘይተኻእለ ተገሊፁ’ሎ። ፕረ.ክልል ኦሮምያ ሓዳስ ትምስረት ከተማ ሸገር ዝምልከት መብርሂ ሂቦም ኣብ ክልል ኦሮምያ ዙርያ ከተማ ፊንፊኔ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ዞባ ዝርከባ 5-ከተማታትን ሓደ ወረዳን ብምትእኽካብ ዝተመስረተት ሓዲሽ ከተማ ሸገር ንነበርታ ምችእቲ ክትከውን’ያ ክብሉ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ገሊፆም። ትማሊ ኣብ ፕሮግራም ምስረታ’ታ ከተማ ዝተረኸቡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ሽመልስ ኣብዲሳ እታ እትምስረት ከተማ ዓቅሚ ዘለዋን ንሓረስቶት ሒዛ ከምትዓቢ ክትግበር’ያ ክብሉ ተዛሪቦም’ለዉ። እታ ንሓሙሽተ ከተማታትን ሓንቲ ወረዳን እትምስረት ከተማ ሸገር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀረባ ርሕቀት እትርከብ ኾይና ብስንኪ ምስረታ’ዛ ኸተማ ኣባይቶም ዝፈረሶም ነበርቲ ግን ብዝተፈላለየ መንገዲ ኽጠርዑ ፀኒሖም’ዮም። ኣብ ቦረና 800-ሽሕ ሰባት ሓገዝ ከም ዘደልዮም ሰበ-ስልጣን'ቲ ከባቢ ገሊጾም ቦረና ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ እዋናት ዝናብ ብዘይምርካቡ እናገደደ ብዝመፀ ደርቂ 3.5 ሚሊዮን እንስሳት ከም ዝሞታ ብናይ ውሽጢ ሃገር መራኸቢ ብዙሃን ዝተጠቐሰ ናይቲ ዞባ ምምሕዳር ኣፍሊጡ። ኣስታት 800.000 ሰባት ድማ ህፁፅ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮም ተገሊጹ ኣሎ።ኣብ ዞባታት ጉጂን ምዕራብ ጉጂን ልዕሊ 600.000 ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ከምዝርከቡ ሰበስልጣን ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ቤት ፅሕፈት ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ዞባ ጉጂ ኣብቲ ዞባ ብደርቅን ፀገም ፀጥታን ልዕሊ 500-ሽሕ ነበርቲ ሓገዝ ከምዘድልዮም ብምግላፅ ዝተወሰኑ ሰባት ጥራሕ ሓገዝ ይረኽቡ ከም ዘለዉ ገሊፁ ኣሎ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ረድኤት ብደርቂ ዝተጠቕዑ ክልላት ብለበዳ ሕማም ኮሌራ እውን ይጥቅዑ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ ኣሎ። መግለጺ ሊቃነ ጳጳሳት ክልል ትግራይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተልኣኸሎም ርክብና ዳግም ንጀምር ዝብል ሕቶ ብዕሊ ከም ዘይቅበሉዎ ገሊፆም። እቶም ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ዓርቢ 17 ለካቲት 2023 ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ "ኣብ ትግራይ ዝተመስረተ ላዕለዋይ ቤተክህነት መንበረሰላም ከሳቴብርሃን ዘግለለ ደብዳበ" እዩ ኢሎም። ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ሓቲትና: "መልሲ እቶም ሊቃነ ጳጳሳት ኣይበፅሐን ምስበፅሐ ብቅዱስ ሲኖዶስ ወይ ድማ ቅዱስ ፓትሪያሪክ ምላሽ ክወሃበሉ እዩ" ኢሎም። ኢትዮጵያ፥ ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብ ሞያ ሰ/መሰላት ስርሑ ክቋረፅ ዝሓትት ናይ ውሳነ ሓሳብ ከምዘዳለወት ኣፍሊጣ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር ዝተጣየሰ ዓለምለኸ ኮሚሽን ሰብ-ሞያ ስርሑ ክቋረፅ ዝሓትት ናይ ውሳነ ሓሳብ ከምዘዳለወት ኣፍሊጣ። ነቲ ውሳነ ሓሳብ ምድላው ዝገለጹ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ሎሚ ኣብ ዝተጀመረ ኣኼባ ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ። እቲ ውሳነ ሓሳብ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝካየድ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝቐርብ ኣቶ ደመቀ ገሊፆም። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ኣብቲ ውግእ ብዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ከበድቲ መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሎሚ ምግላፁ ይዝከር። ሃገረ-ስብከት ክልል ትግራይ፤ “ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ኣይኣቱን” ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ተፈልዮም ናይ ባዕሎም ቤተክህነት ኣጣይሾም ምንባሮም ዕላዊ ገይሮም ዝነበሩ ሃገረ-ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ክልል ትግራይ፥ ኣብቲ እዋን ዘጣየሽዎ "ቤተክህነት መንበረሰላማ ከሳተ" ንዋጋ ዕዳጋ ከም ዘየቕርብዎን ብኡ ከም ዝቕፅሉን ኣፍሊጦም። 6 ዞባታትን 5 ፍሉይ ወረዳታት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝበ ውሳነ ኣካይዶም ኣብ ኢትዮጵያ ህዝብታትን ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉይ ወረዳታት ክልል ደቡብ ብሄር-ብሄረሰባትን ናይ ሓባር ክልል ንምምስራት 29 ጥሪ 2015 ዓ.ም ህዝበ ውሳነ ኣካይዶም። ኣብቲ ምርጫ ልዕሊ ሰለስተ ሚሊዮን ህዝቢ ምስታፉ'ውን ተሓቢሩ ሎ። እዚ ክልላት ሲዳማን ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ድሕሪ ምምስራቶም ድሕሪ ሒደት ዓመታት ዝተኻየደ ህዝበ ውሳነ ዝተረፈ ክልል ደቡብ ኣብ ክልተ ክኸፍሎ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ'ሎ። ምሃብ ድምፂ ሰላማዊን ዝተረጋግአን ከምዝነበረ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሞ ኣቶ ብርሃኑ ዘውዴን ወይዘሮ የኔነሽ ሽፈራው ዝተባህለ ወሃቢት ድምፂን ሓቢሮም። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ኑቕጥታት ምርጫ ምክትታሉን ንጉድለት ናውቲ ምርጫ ምስ ኣፈፀምቲ ምርጫ ብምዃን ናይ መእረምታ ስጉምቲ ምውሳዱን ገሊፁ። ነቲ ህዝበ ውሳነ ካብ መንጎ ዝተዓዘቡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓደ እዩ። እቲ ህዝበ ውሳነ ተቐባልነት እንተረኺቡ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዝብል ሽም መበል 12 ኣባል ፌደረሽን ኢትዮጵያ ክኸውን እዩ። ሓደስቲ መንፈሳውያን ፊልምታት ንሓድሽ ርእየትን ተስፋን ኣብ መቐለ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብኣባ ገብረመድህን በርሀ ተደሪሰን ዝተኣልያ ክልተ መንፈሳውያን ፊልምታት ንምርኢት ቀሪበን ነይረን። ኣብ በበይኑ ስራሓት ስነ-ጥበብ ንነዊሕ ዓመታት ዝነጠፉ ኣባ ገብረመድህን፡ እዘን መንፈሳውያን ፊልምታት ነቲ ተሃይስዩ ዘሎ መንፈስ ህዝቢ ኣብ ምብርታዕ ተስፋ ከም ዘለወን ይገልጹ። 96.7% ተፈትንቲ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኢትዮጵያ ዘይምሕላፎም ሚ/ትምህርቲ ገሊጹ ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ነቲ ሃገራዊ ፈተና ክወስዱ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ተመሃሮ ልዕሊ 985 ሽሕ እኳ እንተነበረ፡ ካብኣቶም ግን 897 ሽሕ ጥራይ ነቲ ፈተና ክወስዱዎ ከም ዝኽኣሉ ሓቢሩ። ካብዚኦም ድማ እቶም ናይ ዩኒቨርሲቲ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ 3.3 ሚእታዊት ወይ ድማ 29,903 ተመሃሮ ጥራሕ ምዃኖም’ውን ፕሮፈሰር ብርሃኑ ገሊጹ`ሎ። እቶም መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ ተመሃሮ ድማ ተወሳኺ ትምህርቲ ወሲዶም፡ ዳግም ንምፍታን ዕድል ክወሃቦም ምዃኑ ፕሮፈሰር ብርሃኑ ወሲኹ። “ናይቶም ተመሃሮ ውድቀት ናይ ኩላትና ውድቀት እዩ፡” ዝበለ ሚንስተር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ፡ ኣብቲ ስርዓት ትምህርቲ ዘሎ ፀገም ጽፈት ትምህርቲ ክዕረ ኵሉ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣዘኻኺሩ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ናይ ፈተና ስርቂ ንምክልኻል ብዝብል ምኽንያት ናይ 2014 ዓ.ም ዓመተ ትምህርቲ ናይ 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ንመጀመሪያ ጊዜ ኣብ ቀፅሪ ዩኒቨርሲቲታት ክወሃብ ምግባሩ ይዝከር። “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ጀሚሮም” መሰኻኽር ዓይኒ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ትግራይ ምውጻእ ጀሚሮም። መሰኻኽር ዓይኒ ካብቲ ቦታ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሩዎ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝጸንሑ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሮም ካብ ከተማታት ዓድዋ፡ ሽረ እንዳ ስላሴን ኣኽሱምን ብመካይን ተጻዒኖም ክወጽኡ ምርኣዮም ንድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ገሊጾም ኣለዉ። ሓያሎ ነባሮ እዘን ዝተጠቕሳ ከተማታት’ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ዘመልክት ስእልታት ኣካፊሎም ኣለዉ። እቶም ሰራዊት ኣብ ምውጻኦም ባንዴራ ኤርትራ ሰቒሎም ክኸዱ ምርኣዮም መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ካብቲ ብዙሕ ዘዛርብ ኣርእስቲ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ። ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ዛጊት ብዝመልከቶም ኣካላት ወግዓዊ መግለጺ የሎን። ስለ ዝዀነ ድማ እቲ ሰራዊት ብምሉኡ ዲዩ ወጺኡ ወይስ ገለ ክፋሉ ንምፍላጥ ኣይተኻእለን። እንተዀነ ኣብተን ሰራዊት ኤርትራ ዝሓልፉለን ዝነበሩ ዓበይቲ ከተማታት፡ ንምውጻኦም፡ ሰራዊት ፈደራል ነቲ ጽርግያ ዓጽዩ ምንባሩ እቲ ዝበጽሓና ዜና የመልክት። ኣትለታት ተወላዶ ትግራይ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ፍልልይ ምስ ስድራቤቶም ይራኸቡ ኣትለታት ተወላዶ ትግራይ ሰንኪ ኲናት ዝነበረ ጋግ: ድሕሪ ክልተ ዓመታት ፍልልይ ምስ ስድራቤቶም ይራኸቡ፡ ኣብ ኣዲስኣበባ ዝቕመጡ ተወላዶ ትግራይ ኣትለታት ንኽልተ ዓመታት ካብ ስድራቤቶም ተፈላልዮም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሎሚ ብእኩብ መቐለ ኣትዮም። እቶም ዕዉታት ውድድር ዓለምለኸ ጉያ እግሪ ኦሬገን ኣመሪካ ዝርከርቦም ኣትለታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ፡ነጋ ስድራቤቶምን መሪሕነት እቲ ክልልን ተቐቢሎሞም። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኢትዮጵያ ኣትዩ ናብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ፈላሚ ዑደት ዝገብር ዘሎ ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኲን ጋንግ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ኣሎ። እቲ ሚኒስተር ምስ ናይ ኢትዮጵያ መዘናኡ ደመቀ መኮነንን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ተራኺቡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዘተኰረ ምይያጥ ምግባሩ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወጸ ሓጺር መግለጺ ኣመልኪቱ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ድሕሪ’ቲ ክልተኣዊ ርክብ ኣብ ናይ ትዊተር ወግዓዊ ገጾም ኣብ ዝጸሓፉዎ መልእኽቲ፡ “ርክብ ክልተኦም ኣካላት ንስትራተጃዊ ሸቶታትን ሓባራዊ ምዕባለን ዘነጽር’ዩ” ኢሎም። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ቀጺሉ ናብ ጋቦን፡ ኣንጎላ፡ በኒንን ግብጺን ክበጽሕ መደብ ከም ዘለዎ ተፈሊጡ ኣሎ። ሚኒስተር ኲን ጋንግ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓሉ እዋናት፡ ንጽባሕ ረቡዕ ናብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ በጺሑ ምስ ኮሚሽነር እቲ ውድብ ሙሳ ፋኪ መሃመት ክራኸብ’ውን መደብ ወጺኡ ኣሎ። ዑደት ሓድሽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ብቕድሚኦም ሰብ-መዚ እታ ሃገር ኣብ መጀመሪ ዓመት፡ ናብታ ብዙሕ ወፍሪ ዘለዋ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝግበር ዑደት ምዃኑ ዝበጽሓና ዜና ይጠቅስ። ግዳያቱ’ከ ሕጂ እንታይ ክረኽቡ ይኽእሉን ካልእ ምስቲ ኣርእስቲ ተኣሳሲሩ ዝለዓለ ጉዳያትን ንኸተብርሃልና ነቲ ጉዳይ ብቐረባ እትከታተል ሜሮን እስቲፋኖስ ኣዘራሪብናያ ኣሎና። ኣገልግሎት መድሕን ንሓረስቶት ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ክፍተት ፖሊሲ ንሓረስቶት ኣገልግሎት መድሕን ምሃብ ከምዘይተኽኣለ ሰብ ሞያ ገሊፆም። ሓረስቶት ኣገልግሎት መድሕን ስለዘይረኽቡ ድማ ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሖም እቶም ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ሰብ-ሞያ ከም ዝጠቕሱዎ፡ እቲ ቀንዲ ሽግር ስእነት መድሕን ካብ ባንክታት ለቓሕ ዘይምርካብ’ዩ። ጸብጻብ - ምብጻሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትጵያ ሓቚፉ፡ ሎሚ ንግሆ መቐለ ዝኣተወ ጕጅለ፡ ኣማስያኡ ንኣዲስ-ኣበባ ምምላሱ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር። እቲ ጕጅለ ኣብ መቐለ ኣብ ዝጸንሓሉ ሰዓታት ምስ በበይኖም መሪሕነት እቲ ክልል ተዘራሪቡ ኣሎ። ድሕሪ ርክብ እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝጸሓፉዎ መልእኽቲ ትዊተር፡ ነቲ ነዊሕ ዝተሓረመ ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣመልኪቶም ምዝታዮምን ትስፉው ርክብ ምክያዶምን ዘሕጉስ’ዩ ክብል ገሊጾሞ። ኣይተ ጌታቸው ወሲኾም፡ እቶም ልኡኻን ብዘይ ዝዀነ ስክፍታ ጸጥታ ብናጻ ክንቀስቐሱ ምርኣይ፡ ሓደ ኣብነት ናይቲ ብኽልቲኡ ወገናት ዘሎ ምትእምማን’ዩ ክብሉ’ውን ወሲኾም። ክልሎም ንምዕዋት እቲ ሰላም ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ድማ ቃል ኣትዮም። ጠንቂ ምውዳቕ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጸገም ዲዛይንን ሶፍትዌርን ምዃኑ ተገሊጹ ኣብ ባሕቲ መጋቢት 2011 ወዲቃ ዝተሓምሸሸት ንብረት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝነበረት ቦይንግ 737 ማክስ ጠንቂ ምውዳቓ መቆፃፀሪ ኣካላ ምዃኑ ተገሊፁ። መበገሲ’ቲ ሓደጋ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ኣካላት ብሓባር ክምርመር ፀኒሑ’ዩ። ሚኒስተር መጉዓዝያን ሎጂስቲክስ ኢትዮጵያ ዳግማዊት ሞገስ ኣብ እዋን’ቲ ምርመራ ተጽዕኖታት እንተነበሩ’ዃ ነዚ ተፃዊርካ እቲ ምርመራ ከምዝተኻየደ ገሊፀን። ብሓፈሻ ጠንቂ’ቲ ሓደጋ ፀገም ዲዛይንን ሶፍትዌርን ምንባሩ ተገሊፁ ኔሩ’ዩ። በቲ ሓደጋ ዜጋታት 35 ሃገራት ዝኾኑ ብሓፈሻ 157 ሰባት ምሟቶም ይዝከር። ኣብ ውሑዳት ከተማታት ትግራይ ውሱን ኣገልግሎት ባንኪ ተጀሚሩ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ኣብዘውፀኦ መግለፂ ኣብ ከተማታት ሽረ: ኣላማጣን ኮረምን ውስን ኣገልግሎት ባንኪ ከምዘጀመረ ኣፍሊጡ። እቲ ዝተጀመረ ኣገልግሎት፣ ገንዘብ ብሓዋላ ምቕባልን ናብ ባንኪ ገንዘብ ምእታውን ከምዝኾነ ሓቢሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኩነታት እንተፈቒዱ ኣብ ኩለን ጨንፈራት ኣገልግሎት ባንኪ ብስፍሓት ከምዝጅምር እውን ኣፍሊጡ። ኣብተን ዝተባህላ ከተማታት ውስን ኣገልግሎት ባንኪ ምጅማሩ ድምፂ ኣመሪካ ካብ ነበርቲ ኣረጋጊፁ ኣሎ። መንነቱ ከይግለፅ ዝሓተተና ሓደ ነባራይ ከተማ ሽረ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ውሱን ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ። ኣብቲ ባንኪ ብሓዋላ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝተለኣኸ ገንዘብ ምቕባልን፣ ገንዘብ ናብ ባንኪ ምእታውን ከምዝከኣል ዝሕብር ምልክታት ተለጢፉ ምርኣዩ’ውን ተዛሪቡ። ገንዘብ ምውፃእን ምዝውዋርን ግን ኣይፍቀድን ኢሎምኒ ይብል። ካብ ከተማ ኣላማጣ ዘዘራረብናዮ ሓደ ነባሪ እውን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ነዞም ኣገልግሎታት ከምዝህብ ገሊፁ ኣሎ። ብርሃን ባንክ ግን፣ ዓማዊሉ ገንዘብ የውጽኡ ከምዘለው ሓቢሩ ኣሎ። መንነቶም ከይግለፅ ዝሓተቱና ሓደ በዓል ሞያ ባንኪ፣ እተን ባንክታት፣ ሙሉእ ኣገልግሎት ዘይህባሉ ምኽንያት ገንዘብ ስለዘይብለን፣ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ስለዘየለን፣ ናይ ድሕንነት ዋሕስ ስለዝደልያን እየን ኢሎም። እተን ባንክታት ኣቕራሽ ክረኽባ ዝኽእላ ካብ ኣዲስ ኣበባ እዩ፣ እዚ ድማ መቐለ ከይተኸፈተ ዝኸውን ኣይኮነን ይብሉ። እተን ባንክታት፣ ናይ ሕሉፍ ሒሳበን ኦዲት ከይተገብረ፣ ሙሉእ ኣገልግሎት ክጅምራ ከምዘይኽእላ እውን ወሲኾም ገሊፆም። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፣ ካብቲ ባንኪ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ቀ/ሚ 'ኣብይ ብደም ንጹሃን ዝሽቅጡ' ዝበልዎም ሓይልታት ካብ ተግባራቶም ክቑጠሩ ኣተሓሳሲቦም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንፖለቲካዊ ትርፊ ክብሉ ጫፍ ዝረገፀ ኣተሓሳስባ ሒዞም ብደም ንፁሃን ዝሽቅጡ ንዝበልዎም ሓይልታት ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ኣብ ስታድየም ሃዋሳ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዕዱማት ኣብ ዝተረኽቡሉ መበል 17 መዓልቲ ብሄርብሄረሰባት ዘስምዕዎ መደረ እዩ። ንሶም ኣብ መደረኦም እዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ሓይሊ ፀጥታ እትውንን ምዃና እንተገለፁ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ዝበልዎ የለን። ሓደጋ የውርዱ ኣለዉ ብዛዕባ ዝበሃሉ ጉጅለታትን ዝውሰድ ስጉምቲታትን እውን ብቐጥታ ዝተዛረብዎ የለን። ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕትን ምምዝባላትን ፌደራል መንግስቲ ጠጠው ከብሎን ዜጋታት ድሕንነቶም ተሓልዩ ብሰላም ዝነብሩሉ ሃዋህው ከናዲ ዝተፈላለዩ ፓርትታትን ሲቪክ ማሕበራትን ይጽውዑ ኣለው። ካብ ሓምለ 2014 ስጋብ ሕዳር 2015 ኣብዘሎ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ዝተፈጸሙ ጎንፅታት: ዝወረዱ መጥቃዕትታትን ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝሓዘ ሪፖርት ዘውፀአ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት መንግስቲ ቅልጡፍ ፍታሕ ከናዲ ኣተሓሳሲቡ። ኣብቲ በዓል መደረ ዘስምዑ ሰበስልጣናት ነቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ወለጋ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብግልፂ ኣልዒሎም ክኹንኑ ኣይተሰምዑን። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኩናት ኣመልኪቶም ብሰላምን ንምዝዛም መንግስቲ ኩሉ ዓቕሙ ፀንቂቑ ከምዝጥቐም ዝገለፁ ኮይኖም “እቶም ዘጥፍኡ ኾኑ ዝተለሙዎ ኩሎም ሓሊፎም እዮም ንሕና ምድፍፋእን ምትሕልላኽን ገዲፍና ንፅባሕ ዝሐሸ ነገር ንምስጋር ክንሰርሕ ኣለና” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ፀላእቲ ንውድቀት ኢትዮጵያ ይሰርሑ ኢትዮጵያ ግን ትፍተን እምበር ኣይትሰዓርን’ውን ኢሎም። ኣብቲ በዓል ዝተረኽቡ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተሳተፍቲ ብወገኖም ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ህዝብን መንግስትን ተሓባቢሮም ጠጠው ከብልዎ ፀዊዖም። ከተማ መቐለ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክትረክብ ምዃና ሰብ መዚ ገሊጾም ከተማ መቐለ ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚሩ ካብ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምትረክብ ተገሊፁ። ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ መኮንን ንድምፂ ኣመሪካ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ካብ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤክትሪክ ተቋሪፁ ምጽንሑ ገሊጾም። ሎሚ ሰሉስ ብዝተሰርሐ ፅገና መስመራት ግን እታ ከተማ ምስ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምርኻባ ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ ከተማ መቐለ ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚራ ካብ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትረክብ እያ ኢሎም። ከተማ መቐለ ምስቲ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተራኸበት ካብ ኣላማጣ፡መኾኒ፡መቐለ ብዝተገበረ ፅገና መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዩ። እቲ ካብ ከተማ ኣላማጣ ክሳብ መኾኒ ዝተዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስተፀገነ፣ ነታ ከተማ ብቐሊሉ ምስ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምርኻብ ከምዝተኸኣለ ኣቶ ሞገስ ተዛሪቦም። ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ናብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ምቕጻሉ ይሕብር ትካል ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ብሰንበት፡ መድሃኒትን ካልእ ቀረባት መግቢ ዝሓዘ 16 መካይን ናብ ሽረ ምእታዉ ብናይ ትዊተር ገጹ ሓቢሩ። እቲ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ዘእተዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሆስፒታላን ካልኦት ማእከላት ጥዕናን እቲ ክልል ይዝርጋሕ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ብተመሳሳሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ርሑቕ ገጠራትን ከባቢታትን ከባጽሕ ምዃኑ’ውን እቲ ትካል ጠቒሱ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድጎማ ነዳዲ እንተገብረ'ውን ተገልገልቲ ግን ንዝያዳ ወጻኢ ተቓሊዕና ይብሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ንህዝቢ ዘገልግላ ተሽከርከርቲ ናይ ነዳዲ ድጎማ እንተገበረ`ኳ፡ ርእይቶ ዝሃቡ ተገልገልቲ ግን ንተወሳኺ ወጻኢ ኢና ተቓሊዕና ይብሉ። ኣብ ከተማ ደሴ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፡ ወነንቲ መካይን ነቲ ድጎማ ተቐቢሎም ኣገልግሎት ኣይህቡን፡ እንተሃቡ ድማ ዝሓትዎ ክፍሊት ዝያዳ ኮይኑ`ሎ። በዓል-ስልጣን ጸዓትንን ነዳድን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ድጎማ ነዳዲ ካብ ዝጅመር ንድሓር፡ ኢትዮጵያ ንድጎማ ተውጽኦ ገንዘብ ካብ 10 ቢልየን ናብ 6 ቢልየን ዶላር ክወርድ ከምዝኽኣለ ኣፍሊጡ። እንተኾነ እቲ ናይ ድጎማ ወጻኢ ይነኪ `ምበር ሕጂ`ውን ልዑል ወጻኢ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ። ነቲ ድጎማ ተጠቒሞም ኣገልግሎት ዘይህቡ እንተለው ግን ኣብ መጽናዕቲ ተመስሪቱ ስጉምቲ ከምዝወስድ ዳይሪክተር ርክባት ህዝቢ`ቲ በዓል-ስልጣን በቀለች ጉማ ኣፍሊጣ`ላ። ቃለ መሕትት ምስ አባላት መርበብ ሰብ ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን መርበብ ሰብ ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ንመኽሰብ ዘይቆመ ትካል ኾይኑ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎን ኣብ ውሽጢ ኣመሪካን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላተ ዓለም ንዘለዉ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሓቆፈን ጥርናፈ’ዩ። መርበብ ሰብ ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብመዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ሓገዝ ንዘድልዮም ንምሕጋዝ ዝቆመ’ዩ። እዚ ምጥርናፍ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ቴክሳስ ኣመሪካ ቀዳማይ ዋዕላኡ ኣሰናዲኡ ነይሩ። ብዛዕባ ኣቃውማ’ዚ ምጥርናፍን ዛጊት ዝዓመሞን ንመፃኢ ክዕምሞ ዝወጠኖን ብዝምልከት መብርሂ ንኽህቡና ንዶክተር ኣቤል ጸጋይ ካብ ሂውስተን ቴክሳስ ንዶክተር ሄኖክ ጸጋይ ካብ ሳክራሜንቶ ካሊፎርንያ ኣዘራሪብና’ለና። ኣዲስ ኣበባ፤ ግምታትን ትጽቢታትን ደገፍቲን ተጻወትቲ ነበርን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣዲስ ኣበባ:ግምታትን ትጽቢታትን ደገፍቲን ተጻወትቲ ነበርን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 ኢትዮጵያ ናይ ሕ/ሃ ኢንተርነት ፎረም ንምትእንጋድ ትዳለው ዕለት 28 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ዋዕላ ኢንተርነት ከጋብእ ይቀራረብ ኣሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ 6 ሚልዮን ነበርቲ ክልል ትግራይ ክልከላ ኢንተርነትን ካልእ መራኸቢታትን ኣንቢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ። ናይቲ ፎረም ኣዳለወቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝዓበየ ዓለምለኸ ኣኼባ ልዕሊ 2,500 ልኡኻት ክሳተፉ ትፅቢት ይገብሩ።ብኣካል ክርከቡ ዘይኽእሉ ብኢንተርኔት ወይ ቨርቺዋል ኣቢሎም ምስ ኩሉ ሰብ ዝራኸብሉ ዕድል ክህልዎም እዩ። ሽዱሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ክልል ትግራይ ግን ናይ ምክትታል ዕድል ኣይህልዎን።እታ ክልል ኣብ መንጎ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ሕዳር 2020 ኵናት ካብ ዝለዓል ንደሓር ግዳይ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዕፅዋ ኮሚኒኬሽን ኮይና እያ። ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ስምምዕ ሰላም ምስተበፅሐ ፌደራል መንግስቲ ኣገልግሎታት ናብቲ ዝነበሮም ንምምላስ መፅብዓ ኣትዩ እዩ።እቲ ዕፅዋ ግን ሕዚ እውን ብጥቡቕ ቀፂሉ ይርከብ። ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ምውሳኑ ግን ሕቶ ክልዓል ገይሩ ኣሎ።ዓሰርተ ሓሙሽተ ሕዳር 2022 ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ሰኔት ኣመሪካ ዝኾኑ ጂም ሪስች እቲ ውሳነ ‘’ጌጋ እዩ’’ ክብሉ ብምግላፅ እቲ ፎረም ንዜጋታት ብስሩዕ ኢንተርኔት ኣብዘይትኽልክል ሃገር ክካየድ ነይዎ ኢሎም። ኣብዚ ሰሙን ሚንስትር ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ሑሪያ ዓሊ ንናይ ኢትዮጵያ ናይ ምትእንጋድ ተራ ብምክልኻል ብህወሓት ዝምራሕ ጥምረት ኣብ 2018 ካብ ዝትካእ ኣትሒዙ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ሓሳብ ናይ ምግላፅ ነፃነት ኣብ ምስትምቓር ትርከብ ኢላ ድማ ኢለን። "ሒደት ንምግላፅ ብናይ ቀደም መንግስቲ ተዓጽዮም ዝነበሩ መርበባት ሓበሬታ ተኸፊቶም፣ፖለቲካዊ እሱራት ተፈቲሖም፣ኣብ ስደት ዝነበሩ ኩሎም ፖለቲከኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ተጋቢዞም፣ናይ 2020 ምርጫ ደረጃ ዝሓለወን ተቓወምቲ ኣጀንዳታቶም ብነፃነት ዘሕለፉሉን ኔሩ።" ሑሪያ እቲ ዕፅዋ ብምጥቓስ መንግስቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለን ሚሊዮናት ዘመዛበልን ግጭት ትግራይ ስዒቡ ‘’ነታ ሃገር ንምክልኻል’’ ተገዲዱ ዝወሰዶ ስጉምቲ እዩ ኢላ። እቲ ዕፅዋ ኣብ ትግራይ ዘይኮነስ ኣብ ክፍላት ኦሮሚያ እውን እዩ። ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ 2020 ኣብ ዝተቐተለሉ እዋን ስዒቡ ብዝተልዓለ ህውክት ኣዲስ ኣበባ እውን ንሰሙናት ብዘይ ኢንተርኔት ኣሕሊፋቶ እያ። አክሰስ ናው ኣብ ዝተባህለ ጉጅለ ተሓላቒ መሰላት ኢንተርኔት ማነጀር ዝኾነት ፈሊቺያ ኣንቶኒዮ እቲ ናይ ኢንተርኔት ፎረም እቲ ዕፅዋ ኣብ ትግራይ ዘሕደሮ ፅልዋ ንምጉላህ ከም ዕድል ክጠቅም እዩ ኢላ። "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ንዝተነብረ ዕፅዋ ኢንቴርኔት ተሓታቲ እዩ፤ኣብ ትግራይን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ምሉእ ተበፃሕነት ኢንቴርኔት ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ ቅልጡፍ ስጉምትታት ክወስድ ኣለዎ።ሕብረት ኣፍሪቃን ኣባል ሃገራትን ኣብ ኣፍሪቃ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎ ናይ ምስፍሕፋሕ ንፁር ሓላፍነት ኣለዎም።እቲ ዕፅዋ ኢንተርኔት ከብቅዕ ክሕግዙ እዋኑ ሕጂ እዩ።" ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሬድዋን ሑሴን ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ይምለስ እዩ ኢሎም።ንሕጂ ግን እቲ ክልል ካብ ዓለም ተበቲኹ ቀፂሉ ኣሎ። ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣተኵሮ ናብ ደቀንስትዮን ህጻናትን ክኸውን ምሕጽንታ ቐሪቡ ቀንዲ ግዳያት ናይቲ ክልተ ዓመት ዝመልአ ግጭት ክልል ትግራይ ደቀንስትዮን ህጻናትን ምንባሮም በበይኖም ኣካላት ይገልጹ። ብሕልፊ እኳ ምስ ምቍራጽ መድሃኒትን ምትእጕጓል ስሩዕ ክታበትን፡ ኣብ እዋን ግጭት ዝተወልዱ ህጻናት፡ ዳሕራይ ከቢድ ሳዕቤን ክህሉዎ ንዝኽእል ሕማማት ዘሳጥሕ’ዩ። ትጽቢት መንእሰያት ንርሁው መጻኢ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተፈረመ ስምምዓት፡ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእን ድምጺ ብረት ክትጥፍእን፡ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ገለ ነበርቲን ተመዛበልቲን መቐለ ገሊጾም። ገለ ካብቶም ንተደጋጋሚ ምምዝባል ዝተሳጥሑ ምዃኖም ዝገልጹ ወሃብቲ ርእይቶ፡ እቲ ዕርቂ ንጉዳያት ተሓታትነት’ውን ኣብ ግምት ከእቱ ተስፋኦም ገሊጾም። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ ክልል ትግራይ ረዲኤት ምእታው ምጅማሩ ይሕብር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ረቡዕ ብመገዲ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጹ ኣቢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብጎንደር ኣቢሉ ናብ ክልል ትግራይ መግቢን ካልእ ወሰንቲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ምልኣኽ ምጅማሩ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዘመልከቶ፡ እቲ ብመንገዲ ጎንደር ኣቢሉ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ኣብ ከባቢ ማይ-ጸብሪ ንዘለዉ ዜጋታት ኣብ ቀረባ መዓልታት ክባጻሕ’ዩ። መንገዲ ጎንደር፡ ካብ ወርሒ ሰነ 2021 ኣቢሉ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዕጹው ምጽናሑ ዘመልከተ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ መግቢ፡ መድሃኒታትን ካልእ ኣገደስቲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝጸዓና ቃፍላያት ብዅሉ ዝከኣል መገዲ ኣብ ቀረባ እዋን ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዝጠቐሶ፡ እተን ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ብዝሐን 15 ኰይነን፡ 300 ቶን መግቢን ካልእ ኣገዳሲ ነገራት ዝሓዛ’የን። ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ንሱ’ውን ብናይ ትዊተር ወግዓዊ ገጹ ከም ዘመልከቶ፡ ናብ ሽረ ናይ ፈለማ ናይ ፈተነ በረራ ገይሩ ኣሎ። እቲ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንፈለማ እዋኑ ምዃኑ ዝተሓበረ ናይ በረራ ጕዕዞ፡ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ክሰርሕ ምዃኑ ተመልኪቱ ኣሎ። ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መድሃኒትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ትማሊ፡ ናብ መቐለ ብዝኣተወ ናይ ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል መድሃኒት’ዩ ጀሚሩ። ሎሚ ብመገዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝበጻሕ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ድሕሪ’ቲ ስምምዕ ካልኣይ እብረ ምዃኑ’ዩ። ላዕለዋይ ሓላፊ ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ንስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ስሙ ክረቋሕ ዘይመረጸ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ዕጹው ናይ ማንዛ ኣኼባ፡ ሃገሩ ኣብ ከይዲ ሰላም ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓትን ዘለዋ ተራን ብሕጂ ትጽቢት ዝግበሮን ኣብሪሁ። እቲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምንባሩ ዘመልከተን ላዕለዋይ በዓል-መዚ፡ ድሕሪ ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝተፈረመ ስምምዓት፡ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ክከታተልን ዝዕዘብን ዝለዓለ ተራ ሒዙ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ክልተ ወገናት ግን ዘለዎም ድሉውነት ኣተባብዒ ምዃኑ ጠቒሱ።\n\nስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝተፈረመሉ ኣብ ውሽጢ 48 ክሳብ 72 ሰዓታት እቲ ውግእ ደው ከምዘበለ ዝሓበረ፡ ላዕላዋይ በዓል-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እዚ ድማ ፡ ንህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን`ውን ንምሕጋዝ፡ ክልቲኦም ወገናት ዘርኣይዎ ድልውነት ዘንጸባርቕ `ዩ ኢሉ።\n\nፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነቶም ልኡኻት ትግራይ ንምምላስ ኣብ መቐለ ከምዝነበረን፡ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽየን ከም ዝተራኸበን፡ ድሕሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምኽትል ቀ/ሚ ደመቀ መኮነን ዝርከብኦም መሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርኻቦም`ውን እቲ ላዕላዋይ በዓል-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጠቒሱ`ሎ።\n\nእቲ በዓል-ስልጣን ካብ መንጎ ብዙሕ ዝቐረበሉ ሕቶታት ሓደ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ወታሃደራት ኤርትራን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ምውጻኦም ዝረጋገጸሉ መገዲ ኮይኑ፡ ጋዜጠኛ ሮይተርስ፡ ኣብ ሕቶኡ ሰራዊት ኤርትራ ምውጻእ እንተ ኣብዮም ኣመሪካ ክትውስዶ ብዛዕባ እትኽእል ስጕምቲ ሓቲቱ ነይሩ።\n\nእቲ በዓል ስልጣን ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ንዅላቶም ናይ ደገ ሓይልታት ክወጽኡ ስለ ዝሓትት፡ ሰራዊት ኤርትራ ጥራይ ዘይኰኑስ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሚሊሻ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን’ውን ብማዕረ ከም ዝምልከቶም ፈለማ ጠቒሱ። ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ-ስልጣን ትግራይን ንሰምዖ ዘለና እቲ ምውጻእ ከረጋግጹ ድልዋት ምህላዎም ስለዝኾነ፡ ኣቐዲመ ነቲ ውዕል እንተዘየኽቢሮም ከምዚ ክንገብር ኢና ክብል ኣይደልን`የ ኢሉ። እቲ ውዕል ምትግባሩ ንምርግጋጽ ግን፡ብመዳይ ተሓተቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣመሪካ ኣብ ኢዳ ዘሎ ናይ ምትግባር ፖሊሲ ይኹን ናይ ማዕቀብ መስርሕ ክትጥቀም ምዃና ሓቢሩ። መግለጺ ህወሓት ኣብ ስምምዕ ሰላምን ቅሬታ ተቓወምቲ ውድባትን ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ገዛኢ ውድብ ህወሓት፡ ድሕሪ ዝገበሮ ዕጹው ርክብ፡ ንኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተኸተመ ውዕላት ኣመልኪቱ መግለጺ ኣውጺኡ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝነጥፉ ተቓወምቲ ውድባት፡ ዓረና ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይ’ውን ኣብቲ ከይዲ ዘለዎም መርገጺ ኣካፊሎም ኣለዉ። ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ሰዓረ ፍጹም ኣብ ውድድር ፊልም ሶቱጊ 2022 ተዓዊቱ ዋሽንግተን — ሎሚ ቐዳም ሕዳር 13,2022 ኣብ ኡጋዱጉ ርእሰ ከተማ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝተኻየደ ወግዓዊ ጽንብል ውድድር ፊልም ሶቱጊ 2022 ኣፍሪቃ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ሰዓረ ፍጹም ተዓዋቲ ኮይኑ። ኣብ ርእሲ'ዚ ንምርኣይ ኤርትራዊ ስነ ጥበባዊ ሰዓረ ፍጹም ኣብ ውድድር ፊልም ሶቱጊ 2022 ተዓዊቱ ሰዓረ ኣብቲ ውድድር ክዕወት ዝኸአለ ኣብ ሰለስተ ዓውድታት ናይቲ ስልማት ዝተረቑሐ ክኸውን ከሎ ኣብቲ ብድምጺ ህዝቢ ዝተወሰነ ምድብ ዝለዓለ ድምጺ ብምርካብ ክዕወት ክኢሉ። ነዚ ብዝምልከት ቕድሚ ሒደት ሰዓታት ወግዓዊ ጽንብል'ቲ ሽልማት ምስ ድምጺ ኣመሪካ ስነ ጥበባዊ ሰዓረ ፍጹም ቃለ መጠይቕ ዘካየደ ክኸውን ከሎ ምስኡ ድማ ናይ ክብሪ ዕዱም ደራሲን ጋዜጠኛን ደበሳይ ወልዱ ከምኡ'ውን ሰኣላይ ሽልማት ሶቱጊ ሳምሶም ገብረ እግዚኣብሄር ኣዘራሪብናዮም ኣለና ። ዊንታ ኪዳነ wkidane@voanews.com ጥለብ ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽሙ ኣለዉ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸክ መሓሙድ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ንምፍጻም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ምእታዎም ልኡኽ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ ጸብጺቡ። እቶም ፕረዚደንት ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ-ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ብፕረዚደንት ኢሳያስን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ናይ ምቕባል ስነ-ስርዓት ተገይሩሎም። ሎሚ ንኻልኣይ እዋን ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ዘለዎ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ፡ ኣብ ናይ ሓምለ ዑደቶምን ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መዘከር ስምምዕ ምኽታሞም ይዝከር። ኣብ መንጎ’ቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ስሒቡ ዘሎ ጉዳይ ኣብ ኤርትራ ዝዕለሙ ዝነበሩ ኣስታት 5000 ሶማላውያን ወታሃደራት’ዩ። ኣብ እዋኑ፡ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንዓዶም ክምለሱ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ደኣ ይንበሩ እምበር ዛጊት ግን ምምላሶም ዘመልክት ሓበሬታ የሎን። “ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት’ዩ” ብሊንከን ተወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ህወሓትን፡ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሮም ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ይዛራረቡሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ነቲ ዝርርብ ዘለዎ ድጋፍ ብምግላጽ፡ “ነባሪ ሰላም ንምምጻእ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ምቍራጽ ተጻብኦታት’ዩ፡” ክብል ገሊጹ። ብሊንከን ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ፡ እቶም ተዛተይቲ’ውን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ውሕስነት ሲቪላውያን ዜጋታትን ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ግጭትን ብዕቱብ ክዝትዩሉ ኣዘኻኺሩ። ምስ ፕረዚደንት ኬንያ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ሚኒስተር ምትሕግጋዝን ዝምድናታት ወጻኢን ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ከም ዝተዛራረበ ዝጠቐሰ ብሊንከን፡ ምስቲ ነቲ ዘተ ዝመርሕ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ኣብ ቀጻሊ ምይይጥ ምህላዉ ኣመልኪቱ። ነቲ ጎንጺ ወታሃደራዊ መፍትሒ የብሉን ዝበለ ብሊንከን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ንነባሪ ሰላም ዘተስፉ’ዩ ክብል ገሊጹ። እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ-ሰላም፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ ክሳብ ሰንበት 30 ጥቅምቲ ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ንዝርዝር ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ኣመልኪቱ ዛጊት ወግዓዊ ዝዀነ ሓበሬታ የሎን። ሕብረት ኣፍሪቃ ዘተ-ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያንን መሪሕነት ህወሓትን ን24 ጥቅምቲ ኣሚሙ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምበሳድር ሬድዋን ሑሴን ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተቛረጸ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ክልል ትግራይን ን24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸውን ምውሳኑ ሓቢሩ። ኣምባሳድር ሬድዋን ኣብቲ ብመገዲ ትዊተር ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ መንግስቱ ነቲ ተወጢኑ ዘሎ ዕለትን ኣሳላጥነትን ከም ዝቕበሎ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ ወሲኹ፡ ገለ ወገናት ነቲ ተመዲቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ንምፍሻል ዝገብሩዎ ዘለዉ ሃቐነ ኣዝዩ ዘሻቕል’ዩ ኢሉ። ከም ኣገላልጻ ኣምባሳድር ሬድዋን፡ እቶም ስሞም ከይረቝሐ ዝተዛረበሎም ወገናት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምክልኻል ስጕምታት ጌጋ ሓበሬታ ይዝርግሑ ምህላዎም’ዩ። መሪሕነት ህወሓት ብዛዕባ’ዚ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ-ሰላም ዛጊት ዝሃቡዎ ምላሽ ኣይተፈልጠን። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ዝያዳ ሓበሬታ ካብ ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣፍሪቃ ኢባ ካሎንዶን ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳን መልሲ ንምርካብ ከም ዘይሰለጦም ኣመልኪቶም ኣለዉ። ኣቐዲሙ ን8 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመሪሕነት ፕረዚደንት ነበር ኦሊሰጎን ኦብሳንጆ፡ ከምኡ’ውን ኡሁሩ ኬንያታን ናይ ቅድም ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ፉምዚለ ላምቦ ንጉካ ክሳለጥ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ-ሰላም ኣብ ውዱእ ግዜ ብሰንኪ ጸገም መሳለጥያታት ምቍራጹ ይዝከር። ኣብዚ ናይ ሕጂ ዕድመ ነቲ ዘተ-ሰላም ዝመርሑ መነ-መን ምዃኖም ዛጊት ኣይተፈልጠን። ንመሳለጥያታት እቲ ርክብ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል’ውን ብተመሳሳሊ ኣይተሓበረን። ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ዝተሓደሰ ዕድመ ዘተ-ሰላም ዘቕርብ ዘሎ፡ ምስ ቀጻልነት ኲናት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መሊሱ ከይጋደድ በበይኖም ኣካላት ስምዕተኦም ኣብ ዘቕርቡሉ ዘለዉ እዋን’ዩ። እቲ ናይ ኲናት ዞባ፡ ኣቐዲሙ ብዝተኣጓጐለ ማሕበራዊ ቀረባት ካብቲ መሰረታዊ ኣገልግሎታት በዂሩ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ድሕሪ ዳግም ምውላዕ ኲናት ግን እቲ ዝነበረ ንኡስ ምብጻሕ ሓገዝ መሊሱ ከም ዘጸገመ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሕብር ጸኒሑ። ማላዊ ሬሳ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ዝተባህሉ ዝሓወሰ ናይ ጅምላ መቓብር ምርካባ ኣፍሊጣ ማላዊ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ዝመፁ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተጠርጠሩ ሬሳ 25 ሰባት ዝሓወሰ ጀምላዊ መቓብር ረኺበ ኢላ።ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ሃገር ፒተር ካላያ ትማሊ ረቡዕ ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ከምዝበሎ “እቲ ናይ ጅምላ መቓብር ትማሊ ሰሉስ ኢና ረኺብናዮም ንሕና ግን ሎሚ ኢና ክንኩዕት ጀሚርና 25 ሬሳታት ድማ ረኺብና”ኢሎም። ካብ ርእሰ ከተማ ማላዊ ሊሎንግዌ ንኣንፈት ሰሜን 250 ኪሎሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ መዓር ኣብ ዝእክብሉ እዋን ነቲ ሬሳ ምርካቦምን እቶም ኣስከሬናት ኣብ ቀረባ እዋን ምናልባት ካብ ሓደ ወርሒ ዘይነውሕ እዋን ዝተቐበሩ ሓደስቲ ሬሳታት ምኻኖምን ፖሊስ ሓቢሩ'ሎ። “ብማላዊ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሰግሩ ዝፈተኑ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ንግምት” ዝበሉ እቶም ወሃቢ ቃል ፖሊስ ወሲኾም ኢትዮጵያውያን ደቂ ተባዕትዮ ኾይኖም ዕድመኦም ካብ 25 ስጋብ 40 ዝግመት ምዃኑ ዝኣከብዎ ሓበሬታ ከምዘመላኽት ገሊፆም። እቶም ተኻዒቶም ዝወፁ ኣስከሬናት ንዝበለፀ ምርመራ ምውሳዶም ሓቢሮም። ማላዊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሕቡእ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሰግሩላ መተሓላለፊት እያ። መብዛሕትኡ ጊዜ ፖሊስ ብሞዛምቢክ ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዝጉዓዝሉ እዋን ስደተኛታት ዝፀዓና ዓበይቲ መኻይን ከምዝሕዙን ኣብዚ ዓመት ካብ ወርሒ ጥሪ ስጋብ መስከረም ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራሕ 221 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዘውዓሉ ኮይኖም ካብኣቶም አቶም 186 ኢትዮጵያውያን እዮም። ሓላፊ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ማላዊ ኖማጉጉ ንኪብ ብዛዕባ እቲ ሓዱሽ ክስተት መረዳእታ የተኣኻኽቡ ምህላዎም ዝገለፁ ኮይኖም እዚ ቀፃልነት ዘለዎ ሞት ስደተኛታት ዘተሓሳስብ ብምኻኑ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝሰርሑ መንግስታውን ዘይመንግስታውያን ትካላት ኩሎም ስደተኛታት ሕጋዊ መሰጋገሪ ዝረኽብሉ ኣገባብ ከመዓራርዩ ፀዊዕም። ኦቻ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ሓገዝ ይሰናኸል ምህላው ሓቢሩ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተጓሃሂሩ ይቕጽል ዘሎ ኲናት፣ ናብቲ ክልል ዝግበር ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይሰናኸል ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ (ኦቻ) ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ እቲ ኲናት ትካላት ረድኤት ናብ ዝሰርሑሎም ከባብታት እናቐረበ ብምምፅኡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይሰናኸል ኣሎ ይብል። ይኹን ደኣ እምበር እቲ ትካል ነቶም ካብ ታሕታይ ኣድያቦን ሸራሮን ዝመፁ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ኣብ 1 ን 2 ጥቅምቲ ሓገዝ ከምዘቕረበሎም ይሕብር። ኦቻ ካብ መንጎ እቶም ካብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝመፁ 210-ሽሕ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ፣ ነቶም 154-ሽሕ ሓገዝ ከምዘቕረበሎም ገሊፁ ኣሎ። እቶም ካብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ዘላዘለ ዝበሃል መዕቖቢ ዘለው ተመዛበልቲ ኣብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝርከቡ ድማ እቲ መግለፂ የመልክት። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሎሚ ኣብዘውፀኦ መግለፂ፣ ናብቶም ሰራዊቱ ተቖፃፂሩዎም ዘለው ከባብታት ሰብኣዊ ሓገዝን ካልኦት ኣገልግሎታትን ንምቕራብ ከምዝተዳለወ ኣፍሊጡ። ነዚ ዘሳልጥ ኮሚቴ ከምዘጣየሸ'ውን ሓቢሩ። መራሒ እቲ ኮሚቴ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባብታት ህፁፅ ሓገዝ ንምግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዑል ጠመተ ሂቡ ይሰርሐሉ ከምዘሎ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ንኣየርላንድ “ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ” ሂባ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተጻባኢ መርገጽ ተሰጉም ኣላ ንዝበላ ኣየርላንድ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ሂቡ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣቶ ረድዋን ሑሴን ብትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣየርላንድ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንምስሊ ኢትዮጵያ ከትድውን ጸኒሓ`ላ ኢሉ። ኣየርላንድ ኣብዚ እዋን`ዚ ግዝያዊት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ነቲ ቁጥዐ ኢትዮጵያ ዝወልዖ እንታይ ምዃኑ ዝርዝር መብርሂ የለን። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣየርላንድ`ውን ምላሽ ኣይተረኽበን ይብል። ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር`ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኣየርላንድ ኣርባዕተ ዲፕሎማት ኣባሪሩ`ዩ። እቲ ምብራር ዝተገብረ፡ ኣየርላንድ፡ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ኢሉ ኣብ መንጎ ተጻባእቲ ወገናት ልዝብ ክግበር ድሕሪ ምጽውዓ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን`ዩ። መንግስታዊ ሚድያ ፋና ብሮድካስቲንግ ብወገኑ ኣየርላንድ፡ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዘለዋ ኲናት ንከብቅዕ ትወስዶ ንዘላ ስጉምቲ ኣብ ክንዲ ምድጋፍ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘለዋ ኣባልነት ተጠቒማ ንኢትዮጵያ ምጥቃዓ ቀጺላ`ላ ይብል።መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ምሕዝነት ንምሕያል ኣብ ዝግበር ጻዕሪ`ውን ኣየርላንድ ዕንቅፋት ትፈጥረለይ ኣላ ይብል ። ምሕዝነት ኣዲስ ኣበባን ብራስልስን፡ ብጉዳይ`ቲ ብዙሓት ዘህለቐን ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ እናሓርፈፈ ክመጽእ ከምዝጸንሐ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ። ሰልፊ ኤርትራውያንን ተወላዶ ትግራይን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብዓርቢ 07 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ኤርትራውያንን ተወላዶ ትግራይን ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም ነይሮም። ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ንሓደ ካብቶም ኣተሓባበርቲ እቲ ኣጋጣሚ ዝዀነ ልኡል ዘውደ ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ብዛዕባ ምትእትታው ኣብ ኲናት ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ በብይኑ ኣጋጣሚ ከም ዝጠቐሶ፡ ብወገን ህወሓት መጥቃዕቲ ምስ ተፈነወሉ ነብሱ ክከላኸል ከም ዝኣተወ’ዩ ዘመልክት። ድሕሪ’ቲ ሰለማዊ ሰልፊ (ቀዳም 8 ጥቅምቲ) ኣብ ዝወጸ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ’ውን ግጭት ትግራይ ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምዃኑ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝኣምን ሓቢሩ ኣሎ። “ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ መጥቃዕቲ ድሮን ተመዛበልቲ ቀቲሉ” ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ክልል ትግራይን ወሃብ-ቃል ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዓዲ-ዳዕሮ መጥቃዕቲ ድሮን ብምፍጻም ሰለማውያን ዜጋታት ምቕታሉ ከሲሱ። ኣይተ ጌታቸው ኣብ መልኽእቲ ትዊተሩ እቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተሃርሙ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቦም ካብ ምዕራብ ትግራይ ዓዲያቦ ዝመጽኡ ተመዛበልቲ ምዃኖም ጠቒሱ ኣሎ። ብዝሒ ግዳያት ግን ኣይሓበረን። ድምጺ ኣመሪካ ብሰንኪ ዘሎ ስእነት መራኸቢታት ነቲ ዝተባህለ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነዚ ዳሕረዋይ ክሲ ኣመልኪቱ ዝተወሃበ ግብረ-መልሲ ዛጊት ኣይረኸብናን። ኣቐዲሙ ግን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ዓዲ ዳዕሮ ብወገን መሪሕነት ክልል ትግራይ፡ ብኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ደብዳብ ከቢድ-ብረት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፈጻሚ ናይቲ መጥቃዕቲ ባዕሉ ምዃኑ ብምሕባር ሓላፍነት ወሲዱ ነይሩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ እዋኑ፡ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ንወታሃደራዊ መኽዘን ምዃኑ’ዩ ሓቢሩ። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ብሰንኪ ዳግማይ ዝተወልዓ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ሰሜን ወሎ ተፈናቂሎም ዝጸንሑ ሰባት ናብ ከባቢኦም ይምለሱ ኣለው። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሓደጋን ድልውነትን ሰሜን ወሎ ኣቶ ዓለሙ ይመር፣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ እቶም ተፈናቀልቲ፣ ሕውስዋስ ስምዒት ሒዞም ናብ መንበሪኦም ይምለሱ ኣለው ከምዝበሉ ተፈሊጡ ኣሎ። እቶም ተፈናቀልቲ ናብ ከባቢኦም ይምለሱ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ካብ’ቲ ይቆጻጸርዎ ዝነበረ ከባቢታት ሰሜን ወሎ ስሒብና ኣለና ድሕሪ ምግላጾም እዩ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብዛዕባ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረቡ’ውን ተሓቢሩ'ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ድሮን፡ ብዝሒ ምዉታት ልዕሊ 50 ቍስላት ድማ ልዕሊ 70 ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምውካስ ጸብጺቡ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ኣሃዝ ኣብ መንጎ 50ን 60 ምዃኑ ነቶም ክልተ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ብምሕታት ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ኣሎ። ብዛዕባ’ዚ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ካብ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ለገሰ ቱሉ፡ ወሃብ-ቃል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮነሬል ጌትነት ኣዳነን ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩምን ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ እቲ ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ። እቲ ደብዳብ ድሮን፡ ተመዛበልቲ የዕቍቦምሉ ዝነበሩ ቤት ትምህርቲ ምህራሙ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይጠቅስ። ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወት ንሓያሎ ወገናት የተሓሳስብ ድሕሪ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ክልል ትግራይ ንዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ምህላዉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብመገዲ ወሃብ-ቃሉ ስቴቨን ጁዳሪክ ኣቢሉ ኣመልኪቱ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ’ውን ምሉእ ብምሉእ ደው ምባሉ ኣመና ኣተሓሳሳቢን ነቲ ዝጸንሐ ሽግራት መሊሱ ዘግድድን ምዃኑ እቲ ወሃብ ቃል ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣብ ንጉዳይ ዓለማዊ ሕጊ ዝከታተል ኣካል ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ኣትሪሩ ብምዅናን፡ ብሰንኩ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋር ኣምሓራን ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ ተጻባዪ ረዲኤት ምዃኑ ሓቢሩ። ብሰንኪ ዝተኣጓጎለ መስመራት ድማ እቲ ናብ ተጻብዪ ህዝቢ ዝበጽሕ ዝነበረ ሓገዝ ምቍራጹ ኣመና ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ከም ዝጽውዓ ኣስሚሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ክልል ትግራይ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ኣቢሉ ትማሊ ሓሙስ 29 መሰከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብወገን ሓይልታት ኤርትራን ፈደራላዊ ሰራዊትን ቀጻሊ መጥቃዕታት ከብዲ-ብረትን ነፈርቲን የጋጥም ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። እቲ መግለጺ፡ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ብዝገበሮ ደብዳብ ህይወት ሲቪላውያን ሰባትን ንብረትን ምውሳዱ ኣመልኪቱ። ኤርትራ ኣብ ዓዲ-ግራትን ሸራሮን ቀጻሊ ደብዳብ ከቢድ-ብረት ተካይድ ምህላዋ ዝሓበረ መግለጺ ድማ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ሽረ ዘካየዶ ደብዳብ ህይወት ሲቪላውያን ሰባት ምቕታሉ ጸብጺቡ ኣሎ። እንተዀነ ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝተሃርመ ዒላማታት ሲቪላዊ ህዝቢ ዘይኰነስ ኣጽዋር ዝተዓቖረሉ መኽዘን ምዃኑን ብልክዕ ምህራሙን ብመገዲ መራኸቢታት መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። ምልክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ’ውን ባዕሉ ምክያዱ ጠቒሱ ኣሎ። ብወገን ኤርትራ ነዚ ዳሕራይ ክሲ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ ዛጊት ኣይረኸብናን። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ወሎ ኲናት ጽዒቑ ምውዓሉ ነበርቲ ከባቢ ሓቢሮም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ወሎ ሎሚ መዓልቲ ኲናት ጽዒቑ ምውዓሉ ነበርቲ ከባቢ ሓቢሮም። ኣብ ግንባር ራያ ኣብ ከባቢ ጎብዬ ከቢድ ውግእ ምህላዉ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ይገልጹ`ለዉ። ብዛዕባ`ቲ ኲናት ካብ ወገን መንግስቲ ኮነ ካብ ህወሓት ዝተዋህበ ርእይቶ ነገር የለን። እንተኾነ ወሃቢ ቓል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ኤርትራ ንክልል ትግራይ ንምውጋእ ብሸነኽ ክልል ዓፋር ከባቢ በርሃሌ ሓሙሽተ ክፍለ-ጦር ኣሰሊፋ፡ ሰራዊት ህወሓት ግን ብዕዉት ኣምኪንዎ`ሎ ኢሉ። ብዛዕባ`ዚ ኣቶ ጌታቸው ዝበሎ ካብ ኤርትራ ኮነ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ምላሽ የለን። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ምጅማርን ምስፋሕን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሓደ ነቲ ሓደ ተሓታቲ ምግባሮም ቀጺሎም ኣለዉ። ኲናት ደው ኢሉ ዘተ ሰላም ክጅምር ብዝተፈላለዩ ዓለም-ለኸ ትካላት ዝግበር ጻዕሪ ዛጊት እዚ ዝብሃል ፍረ ኣየፍረየን። መሰል ምንቅስቓስ ኣብ ኣዋሽሰባት ተታሒዞም ዘለው ክኽበር ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ጸዊዑ ኣብ ኣዋሽ ሰባት ተታሒዞም ናይ ዘለው ተመዛበልቲ መሰል ምንቅስቓስ ብህፁፅ ክኽበር ከምዝግባእ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ። እቶም ኣብ ኣዋሽ ሰባት ማእኸል መሰልጠኒ ፌደራል ፖሊስ ዘለው 2800 ሰባት ካብ ክልል ትግራይን ገለ ከባብታት ክልል ኣምሓራን ዝተመዛበሉ ከምዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ኮሚሽን፣ ንኹነታቶም ብኣካል ንምዕዛብ ናብቲ ማእኸል ንምእታው ብሓይልታት ፀጥታ ከምዘይተፈቐደሉ ኣፍሊጡ። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ፕረዚደንት ባይደን፤ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ካብ ዘስግኣ መዝገብ ክትቅጽል ትእዛዝ ኣሕሊፎም ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ብድንጋገ 14046፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዘሎ ኲናት፡ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኣስጋእቲ ኣብ ዝብል መዝገብ ክትቅጽል ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ኣሕሊፎም። መግለጺ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ከም ዘመልክቶ፡ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ኣብታ ሃገር ንሰፊሕ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ዓሌት-ተኰር ኣድልዎን ብርሰት ትሕተ-ቅርጻዊ ስራሓትን ምኽታሉ ገሊጹ። ኣስዒቡ ድማ እቲ መግለጺ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝርአ ዘሎ ዘይርጉእነትን ቅልውላውን ዝሓለፈ ዓመት ብ17 መስከረም 2021 ዝተነብረ፡ “ንሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኣስጋእቲ” ዝብል መዝገብ ሕጂ’ውን ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ሓደ ዓመት ክትጸንሕ ወሲኖም። እዚ ምሕዳስ መዝገብ እቲ ቀዳማይ ካብ ዝወድቀሉ ዕለት 17 መስከረም ጀሚሩ ክቕጽል ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋይት-ሃውስ ብስም ፕረዚደንት ባይደን ዝተፈረመ ጋዜጣዊ መግለጺ የረድእ። ተንተንቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዘሎ ግጭት ናብታ ሃገር ከይሰፍሕ ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓየለሉ እዋን፣ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝቀጸለ ውግእ ትሑት ቆላሕታ ረኺቡ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ብተኸታታሊ ዘጋጥሙ መጥቓዕታት፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ኣምሓራን ኦሮሞን ዘጋጠሙ ውጥረታት፣ ኣብ’ታ ሃገር ካልእ ግንባር ንከይፈጥር ስግኣት ኣሎ። ኣብ ፍሉይ ዞባ ኦሮምያ ትርከብ ከተማ ሰንበቴ ሎሚ’ውን ምስ ባህረረት እያ። ዝሓለፈ ሰነ ሰለስተ ዙር ውግኣት ኣብ ሞንጎ ሚልሻታት ኣምሓራ ወይ ፋኖን ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝተሓባበሩ ሚልሻታት ኦሮምያን አጋጢሞም እዮም። ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ’ቲ ስፍራ ምስ በጽሐ፣ ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ሓይልታት ጸጥታን መራሕቲ ኮሚኒቲን ኣብ ሓደ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ተኣኪቦም ከጋጥም ዝኽእል ግጭት ከመይ ምውጋድ ከምዝካኣል ይዘራረቡ ነይሮም። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ድሕነትን ሰሜን ሽዋ ኣቶ ካሳሁን ብርሃኑ ከምዚ ይብሉ፣"ግጭት ብተደጋጋሚ የጋጥም ዘሎ፣ ብሰንኪ ምስፋሕ ጽንፈኛ ፍልስፍና እዩ። ሰላም ዘይደልዩ ሓይልታት ኣለው እዮም። ግጭት ኣብ’ዚ ከባቢ’ዚ ሓድሽ ፍጻመ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ምቅጻሉ እዩ። እንተኾነ፣ ብዘይ ደጋዊ ደገፍ እዚ ማሕበረሰብ’ዚ ባዕሉ ፈቲሕዎ እዩ።" ካብ ከተማ ሰንበቴ 36 ኪ.ሜ ርሒቃ ትርከብ ሸዋ ሮቢት’ውን ብሰንኪ ዕጡቃት ተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓሩን ኣብ ጸገም ወዲቃ እያ። ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ’ውን ህውከት ከምዝናሃረ መስኪሮም እዮም። ከም ኣባሃህለኦም፣ ግጭት ደጋጊሙ ዘጋጥም ዘሎ ብሰንኪ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዘካይዶ ዘሎ ምልመላ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጉጅለ ሽብር ኢሉ ዝጽወዖ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፣ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ግንባር ነጻነት ኦሮሞ ዝተፈንጨለ ሓይሊ ምዃኑ ዝዝከር እዩ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ክሊ ስርዓተ ኢትዮጵያ ንዝበለጸ ምሕደራ ዝቃለስ ከምዝኾነ’ውን ይገልጽ። ነባራይ’ቲ ከባቢ ኣቶ ሽመልስ ዓሊ ከምዚ ይብል፣"እዚ እዋን’ዚ ዘሎ ግጭት ካብ’ቲ ናይ ሕሉፍ ግጭት ዝተፈለየ እዩ። ሓደ ኦሮሞታይ ብምስሕሓብ እንተመይቱ፣ ሕነ ንምፍዳይ ተባሂሉ ካልእ ኣምሓራይ ክቅተል እዩ ትጽቢት ይግበር እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግና ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ኣሎ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተሳታፋይ ኮይኑ ኣሎ። ንፈለማ ጊዜ፣ ከቢድ ብረት ኣብ ጥቅሚ ዝዋዓለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ።" ሰበ ስልጣንን ተሓለቅቲ መሰላትን ካብ ፈለማ እዋን’ቲ ዓመት፣ ብዕጡቃት ኦሮሞን ኣምሓሩን ኣማኢት ተወላዶ ኦሮሞን ኣምሓሩን ተጨፍጪፎም እዮም ይብሉ። ብመሰረት’ቶም ተጣበቅቲ መሰላት ኩሎም ወገናት ኣብ መግሃስቲ መሰላት ኢድ ነይርዎም እዩ። ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸምዎ ሓይልታት ኣምሓራን ፌደራል መንግስቲን እዮም ይብል። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን መግለጺ ዘውጸአ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ፌደራል መንግስቲ፣ ካብ ኩሉ ኩርናዕ ተወጢሩ እዩ ዘሎ፣ ስለዚ፣ ህዝቢ ነንባዕሉ ንክባላዕን ግጭት ንክቅጽልን ይሰርሕ እዩ ዘሎ ከምዝበለ እቲ ዜና ይሕብር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ግጭት ዝሕተተሉ፣ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ እዩ እዩ ዝብል። ተንተንቲ ብወገኖም፣ ግጭት ምቅጻሉ፣ ነታ ሃገርን ነቲ ዞባን ስግኣት ህድኣት ከምዝኾነ ይዛረቡ። ሓደ ካብኦም ኣማኻሪ ጸጥታ ዴቪድ ዴል ኮንቴ እዩ። ንሱ ክዛረብ ከሎ፣ እቲ ውግእ፣ ንሰላም’ታ ሃገር ናይ ምዝራግ ተኽእሎ ኣለዎ ይብል። "ውግእ ዞባ ኦሮምያ ብዝተናወሐ ቁጽሪ ንፌደራል መንግስቲ ምሒር ንክህወኽ፣ ከምኡ'ውን ርክብ ጎረባብቲ ክልላት ዘበላሹ ስለዝኾነ እዚ ንኢትዮጵያ ሕማቅ እዩ። እዚ ነቲ ክልል ሕማቅ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንህዝቢ’ቲ ክልል ሓደገኛ እዩ።" እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ህውከት ሽዋ ሮቢት፣ ከይዱ ከይዱ፣ ንከንቲባ’ታ ከተማ’ውን በሊዑ ኣሎ። መን ከምዝቀንጸሎ ግና ክሳብ ሎሚ ንጹር ኣይኮነን። ምምሕዳር ዋግ ህምራ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ብምትኳስ 26 ሰባት ቀቲሎም ክብል ይከስስ ምምሕዳር ዞባ ዋግ ህምራ "ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ተመዛበልቲ ተኩሶም ን26 ሰባት ቀቲሎም" ኢሎም። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን’ቲ ዞባ ኣቶ ከፍያለው ደበሽ በቲ መጥቃዕቲ ዝቆሰሉ ሸውዓተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለው ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ። ብወገን ሓይልታት ትግራይ ብዛዕባ’ቲ ክሲ ብቀጥታ ዝተዋሃበ ርእይቶ የለን። እንተኾነ ወሃቢ ቃል’ቶም ሓይልታት ንከምዚኦም ዝበሉ ክሲታት ክነጽጎም ምጽንሑ ይፍለጥ። ወሃቢ ቃል ህወሃት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ’ዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዋጋእቲ ትግራይ፣ ንሰለማዊያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብሩን፣ ንዝተማረኹ ኣባላት ሰራዊት ከይተረፈ፣ ብዝግባእ ከምዘተኣናግዱ ምጥቃሶም ዝዝከር እዩ። ኣብ ከባቢ ዓዲግራት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ተገሊጹ ኣብ ከባቢ ዓዲግራት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ካብቲ ቦታ ይግለጽ ኣሎ። ትማሊ ሮቡዕ 2 ጳጉሜን 2014 ሰራዊት ኤርትራ ንከተማ ዓዲግራት ብኸቢድ ብረት ደብዲቦም ሰለስተ ህፃናት ዝርከበኦም ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ 14 ሰባት ድማ ቆሲሎም ክብላ ኣካያዲት ሓፈሻዊ ስራሕ ሆስፒታል ዓዲግራት ኣበራሽ ፍሰሃ ተዛሪበን። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ናብ ዓዲግራት ብምኻድ ዘዳለዎ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሀይሉ ከበደ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ሓላፊ ጉዳይ ወፃኢ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ፣ ምስቲ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ኣሸባሪ’ ዝብሎ ህወሓት፣ ሚስጥራዊ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም፣ብገበን ተጠርጢሮም ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም። ፖሊስ፣ ኣብቲ ጉዳይ ተወሳኺ ምፅራይ ንምግባር 14 መዓልቲ ንክወሃቦ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ ኣሎ። ፖሊስ ንዝሓተቶ ተወሳኺ ናይ ክልተ ሰሙን ጊዜ ጠበቓ ኣቶ ሃይሉ ተቓዊሞምዎ። እንተኾነ፣ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ፖሊስ ዝሓተቶ ተወሳኺ ጊዜ ተቀቢሉ፣ ን 5 መስከረም 2014 ዓ.ም ቆጸራ ሂቡ`ሎ። መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያን ወሃቢ ቃል ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዳግማይ ዝተላዕለ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ምክልኻል ዝዘለለ ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ኣይጀመረን ክብል ገሊፁ። ብኻልእ ወገን ድልየት መንግስቲ ክልል ትግራይ እቲ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም። ብሰንኪ ዳግም ዝተላዕለ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ነበርቲ ከተማ ወልዲያ ይመዛበሉ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ። ሎሚ ሰሉስ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር መግለፂ ዝሃቡ ምክትል ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣቶ ከበደ ዴሲሳ ህወሓት ከፊቱዎ ንዝበሉዎ መጥቓዕቲ ኣብ ምክልኻል ከምዝርከብ ተዛሪቦም። መንግስቲ ሕጂ'ውን ንሰላም ድልው ምዃኑ ብምግላፅ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ተፅዕኖ ክገብር ሓቲቶም። ብኻልእ ወገን ሰበስልጣን ህወሓት ኣቐዲሙ መጥቓዕቲ ዝፈፀመ ሰራዊት ምክልኻል ፌደራልን ሓይልታት ኣምሓራን ምዃኖም ምግላፆም ይዝከር። ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፍያለው ውግእ ኣቐዲሙ ዝኸፈተ ህወሓት ስለዝኾነ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምምካት እዮም ዝርከቡ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ኵናት ኣብ ዝተኻየዱሎም ከባቢታት ዝነበሩ ሰላማዊያን ሰባት ድልየቶም ሰላም ምዃኑ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብምርመራ ምርግጋፁ ምኽትል ዋና ኮሚሽነር ራኬብ መሰለ ገሊፃ።ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ግጭት ንድሌት ማሕበረሰብ ቀዳምነት ክህቡ ወሲኻ ፀዊዓ። እታ ኮሚሽነር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ፈፂሙዎ ብዝተባህለ መጥቓዕቲ ዝወረደ ጉድኣት ከምኡ'ውን ሓይልታት ህወሓት ኣብ ቆቦ ኣብ ልዕሊ ስቪላት መጥቓዕቲ ከምዝፈፀሙ ዝወፁ ፀብፃባት መረዳእታ ይእክብ ከምዘሎ ወሲኻ ገሊፃ። ዋላ'ኳ ካብ ወሽጢ ሃገርን ዓለምለኸ ትካላትን ናይ ሰላም ምሕፅንታ ይቐርቡ እንተሃለወ ዳግም ዝተወልዐ ኵናት ኣብ ክንዲ ምህዳእ በብመዓልቱ እናገደደ ይኸይድ'ሎ። ብኻልእ ወገን ድልየት መንግስቲ ክልል ትግራይ እቲ ጎንጺ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ`ዩ ክብል ወሃቢ ቃል-ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንማዕከናት ዜና`ቲ ኽልል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም። "ኣብ ከባቢ ወልዲያ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ፀገም ካብ ወልዲያ 45 ኪሎ ሜትር ብእግረይ ተጓዒዘ ሕጂ ስድራይ ናብ ዝርከብሉ ከተማ ደሴ ብመኪና ይጉዓዝ ኣለኹ።" ካብ ከተማ ወልዲያ ድምፂ ከቢድ ብረት ከምዝስማዕ ዝገለፀ እዚ መምህር ዩኒቨርስቲ ወልዲያ ተማሃሮን መምህራንን እቲ ዩኒቨርሲቲ ብብዝሒ ይወፁን ብእግሮም ናብ ስድርኦም ይኸዱን ኣለው ኢሉ። ንሱ ወሲኹ ነዊሕን ዘድክም ጉዕዞ እግሪ ከምዝገበረ ይሕብር። ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ሰለስተ እግረን ባጃጅን ነኣሽቱ መጎዓዚያን ህዝቢ ግቡኡ ዘይኮነ ዋጋ የኽፍሉ ከምዘለው ገሊፆም።ካብ ወልዲያ ናብ ደሴ ባጃጅ 1,500 ብር ከምዘኽፍሉ ወሲኹ ገሊፁ። ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ከይድገም ኣብቲ ህዝቢ ስግኣት ኣሎ እውን ኢሉ ። ካብ ቆቦ ናብ ደሴ ተመዛቢሎም ዝመፁን ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩን ሓደ ወሃቢ ርእይቶ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ይዝራጋሕ ዘሎ ሓበሬታ ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሓቂ ዘይጠዓዐም እዩ ይብል። "ሓቂ ንምዝራብ እቲ ዘሎ ሓቂ ዘይተቖራረፀ ናይ ቴሌፎን ርክብ እውን ስለዘሎ ሰባት እውን እናደወሉ እዮም።ኣብ ውሽጢ ከተማ ቆቦ ሓይልታት ትግራይ ከምዘለው ቅድሚ ስዓታት ስልኪ ተደዊሉለይ እቲ ሓበሬታ ኣለኒ።" እቲ ወሃቢ ርእይቶ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ነቲ ህዝቢ ንጉድኣት የቓልዖ ኣሎ ኢሉ።ፅንፊ ሒዞም ብኽልተ ጫፍ ዝካየድ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ወፍሪ ብህይወትን ንብረትን ሰባት ይፃወቱ እዮም ዘለው ኢሉ።ቆቦ ኣብ ኢድ መንግስቲ እያ ትርከብ ዝብል ሓበሬታ ካብ ዝዝርጋሕ ጀሚሩ ብዙሓት ዝተመዛበሉ ሰባት ብእግሪ ንምምላስ ጉዕዞ ጀሚሮም ነይሮም ኢሉ። ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልዲያ ተማሃሪት ቀዳማይ ዓመት ዝኾነት ኣዜብ ክፈለው ብሰንኪ ስግኣት ብእግራን ብመኪናን ተጓዒዛ ሃይቅ ከምዝኣተወት ትዛረብ። "ኣብ ዩኒቨርስቲ ወልዲያ እናተመሃርና ከለና ናይቲ ከባቢ ሰላም ኣዚዩ ዘስግእን ክንምሃር ዘየኽእለና እናኾነ ብምምፅኡ ክንወፅእ ተግዲድና ኣለና።ክሳብ መርሳ 30 ኪሎ ሜትር ብእግሪ ተጓዒዝና።" ኣብቲ ጉዕዞ ተማሃሮ እናሓመሙን እንዳተኸላበቱን ብከቢድ ፀገም ከምዝበፅሑ ትዛረብ። ዝሓለፈ ዓመት እውን ብተመሳሳሊ ትምህርታ ከይወድአት ከምዝወፀት ብሓዘን ትዛረብ። ኣዜብ ካብ ጂንካ ከምዝመፀት ትገልፅ ። ብዛዕባ እዚ ካብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ከንቲባ ከተማ ወልዲያ ዶክተር ዳዊት መለሰ እቲ ከባቢ ሰላም ምዃኑ ብምሕባር እቲ ህዝቢ ክረጋጋእ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። መንግስታዊ ወሃብቲ ኣገልግሎት ብኽፊል ኣገልግሎት ይህቡ እንተሃለው እውን ብኽፊል ድማ ጠጠው ከምዘበሉ ወሃቢ ርእይቶ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።እቶም ከንቲባ እውን ነዚ ኣረጋጊፆም ኣለው።ክኸፍቱ ግን መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎም ኣለው ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምምሕዳራት ከተማታት ወልዲያን ደሴን ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ምእዋጀን ተፈሊጡ ኣሎ።ሰባትን ተሽከርከቲን ድሕሪ ምሽተ ስዓት 1:00 ምንቅስቓስን ካብ ዝተፈቐደሉ ሓይሊ ፀጥታ ወፃኢ ብረት ሒዝካ ምንቅስቃስን ኸልኪለን ኣለዋ።ምኽኑይ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ እውን ኣይክኣልን ክብል እቲ ኣዋጅ ገሊፁ ኣሎ። ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ 21 ነሓሰ 2014 ዓ\ም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ህልቂት ህዝቢ ንምውጋድ ሓይልታት ምክልኻል ካብ ከተማ ቆቦ ብምንስሓብ ንድሕሪት ተመሊሱ ንምክልኻል ዘኽእሎ ወታሃደራዊ ትሕዝቶታት ክሕዝ ከምዝተገደደ ሓቢሩ ነይሩ። ኤርትራ:4 መሃንድሳት ካብ ምልክት ናብ ጽሑፍ እትልውጥ ሶፍትወር ኣማዕቢሎም ኣርባዕተ ምሩቓት ኮለጅ ምህንድስና ኢንስትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ካብ ምልክት ናብ ጽሑፍ እትልውጥ ሶፍትወር ከም ዘማዕበሉ ይገልጹ። እዛ ኣብ ፈላሚ ደረጃ ዘላ ማሺን ካብተን ዝቐደማ ናይ ዋጋን ካልእ ብልጫታትን ከም ዘለዋ ኣማዕበልታ ይሕብሩ። ፈደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ደሃይ ክብሮም በርሀን ካልኦት መተኣስርቱን ከም ዘይብሉ ኣመልኪቱ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ንሓላፊ ርክብ ጉዳያት ወፃኢ ውድብ ባይቶና ኣቶ ክብሮም በርሀ ከም ዘይተረከበ ሎሚ ንቤት ፍርዲ ኣፍሊጡ። ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንኣቶ ክብሮም ዘረከበሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ንኸርእዮ’ውን ፌደራል ፖሊስ ነቲ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ። ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሓለፍቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንኣቶ ክብሮምን ነቶም ምስኦም ዝተታሕዙ ካልኦት 20 ተጠርጠርትን ንፌደራል ፖሊስ ዘረከብሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ሒዞም ንክቐርቡ፣ ነቲ ጉዳይ ይርኢ ብዘሎ ናይ ፌደራል ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ተኣዚዞም እኳ እንተነበሩ፣ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን። እቲ ቤት ፍርዲ ሓለፍቲ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ነቶም እሱራት ንፌደራል ፖሊስ ዘረከብሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ሒዞም ንነሓሰ 18 ክቐርቡ ሎሚ ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ። እቶም ብ 3 ሓምለ 2014 ዓ.ም ዝተትሓዙ ኣቶ ክብሮምን ካልኦት 20 ተጠርጠርትን ብዋሕስ ንኽወፁ ናይ ኣዲስ ኣበባ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ 5 ሓምለ 2014 ወሲኑ ከምዝነበረ ጠበቐኦም ኣቶ ወንደሰን በፍቃዱ ተዛሪቦም። እንተዀነ እቶም እሱራት ብመሰረት ውሳነ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ምፍታሖም ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ምውሳዶም ተሓቢሩ'ሎ። ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ እቶም እሱራት ዘለውሉ ቦታ ከፍልጥ ምስ ተሓተተ፣ ንፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምዘረከቦም ምላሽ ሂቡ። ብድሕሪ እዚ ጠበቓታት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እቶም ሰባት ኣበይ ከምዘለው ንኸፍልጥ ኣብ ናይ ፌደራል ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ከሲሶምዎ እዮም። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ድማ ዋላ እኳ ንፌደራል ፖሊስ ኣረኪበዮም እየ ዝብል ምላሽ እንተሃበ፣ ዘረከበሉ ሰነዳዊ መረዳእታ ግን ከቕርብ ኣይከኣለን። ኣብቲ ናይ ሎሚ መጋባእያ ዝተረኸቡ ስድራ እሱራት፣ በቲ ኩነታት ኣዝዮም ከምዝተጨነቑ ክሳብ ሕጂ ዘለውሉ ቦታ ዘይምግላፁ ከምዘተሓሳሰቦም ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም። ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐት መርከብ ካብ ወደባት ዩክሬን ተበጊሳ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ቅልዋልው መግቢ ንምቅላል፡ 23,000 ቶን እኽሊ ዝፀዓነት መርከብ ካብ ናይ ዩክሬን ወደብ ምብጋሳ ኣሶሴትድ ፕረስ ፀብፂቡ። እዛ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻረያ መርከብ ዓፀቦ ንዘጋጠመን ሃገራት ንምሕጋዝ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝተመደበት ፈላመይቲ መርከብ እያ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሩሲያ ንዩክሬን ብምውራራ ዝተዓናቐፈ ምስዳድ እኽሊ ናብ ወፃኢ ሃገራት ንክቕፅል ዩክሬንን ሩሲያን 22 ሓምለ ምስ ቱርኪ ብመሰረት ዝበፅሕኦ ስምምዕ እዩ። ሕቡራት ሃገራት ሓደጋ ዓፀቦ ኣንፀላልዩወን ኣሎ ካብ ዝበለን ሓሙሽተ ሃገራት ኢትዮጵያ ሓንቲ እያ። ኣልሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ምፍጻም ምጅማሩ ኣሶሴይትድ ፕረስ ይገልጽ ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ውሽጣዊ ህውከት ብምጥቓም ጥሩፍ ጉጅለ አል-ሸባብ፣ ዶብ ሰጊሩ ኣብታ ሃገር መጥቃዕቲ ምፍናው ከምዝጀመረ ኣሶሴትድ ፕረስ ገሊጹ። ኣል-ሸባብ፣ ኣብ ልዕሊ’ታ ብብዝሒ ህዝባ ካልአይቲን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መርኣያ ጸጥታ ትራኣይ ዝነበረት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ዂናትን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዘጋጥሙ ዓሌታዊ ግጭታትን እታ ሃገር ክሳዕ ክንደይ ንሓደጋ ዝተቓለዐት ኮይና ከምዘላ ሓባሪ እዩ። ምምሕዳር ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ሓይልታቶምን፣ ብሕልፊ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመት ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ ኣብ ዘቤታዊ ስእነት ሰላም ተጸሚዶም ይርከቡ። ኣብ ፋውንዴሽን ሳሃን ዝነጥፍ ማት ብራይደን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ገዚፍ ወፍሪ ገይሩ ዘይፈልጥ ኣል-ሸባብ ናብ ኢትዮጵያ ምእታው፣ ርኡይ ስትራተጂካዊ ምዕባለ እዩ ክብል ይገልጾ። ንሱ ወሲኹ ኣል-ሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተዳለወሉ ከምዝነበረ፣ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘቅንዕሉን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዳርጋ ዝወድቅ ኣብ ዝመሰለሉን እዋን ከምዝነበረን ይሕብር። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ኣል-ሸባብ ብርክት ንዝበሉ ተወላዶ ሶማሌን ኦሮምያን ከምዘሰለፈን ዝሓበረ ማት ብራይደን፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣል-ሸባብ ምስ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተላፊኑ ክንቀሳቀስ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዝሓድሮ ይገልጽ። ካልኦት ተንተንቲ ግና "እዚ ዘይመስል እዩ" ባሃልቲ እዮም። ኣሃዱታት ኣል-ሸባብ፣ ናብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኣንፈት ሞያሌ ኣትዮም ዝብሉ እሙናት ምንጭታት'ውን ኣለው። ማት ብራይደን ኣል-ሸባብ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሓያል ትሕዝቶ እንተረኺቡ፣ ካብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፣ ካብ ኬንያ ክሳብ ኡጋንዳ መጥቃዕታት ክፍጽም ዓቅሚ ክረክብ እዩ ይብል። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ:ሶማልን ኬንያን ሓደጋ ጥምየት የንጸላልው የጠንቅቕ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያ፣ኬንያን ሶማልን ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ እዋናት ዝናብ ብዘይምህራሙ ኣብ ማሕበረሰብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደጋ ጥምየት የንጸላልው ምህላው ኣጠንቂቑ። እቲ ትካል ወሲኹ እዚ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ዝተሓተ መጠን ዝናብ ኣብ ዘለዎም ሶማል፣ደቡብን ደቡብ ምብራቕን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኬንያ ንነዊሕ ግዜ ደርቂ ብምግጣሙ ምንቅስቓስ ሰባት ካብ ቦታ ቦታ ክውስኽ ገይሩ ኣሎ ይብል። ብመሰረት ጸብጻብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ መላእ እቲ ዞባ ብውሑዱ ሸውዓተ ሚሊዮን እንስሳት ሃሊቀን ኣለዋ። ኣብ ምብራቓዊ ኬንያ ሩባ ታና መራሒ ማሕበረሰብ ዝኾነ ኑር በሽር መሓመድ "ደቅና ናይ መድራሳ ትምህርቶም ይከታተሉ ነይሮም።ብእንስሳት ዕዉታት ነይርና።ናብዚ ምስ መፃእና ግን ከብትና ክፃወራ ስለዘይክኣላ ጥዕንአን እናሓመቐ ከይዱ።ከቢድ ደርቂ ስለዘጋጠመና መብዛሕቲአን ሞይተን" ኢሉ። ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ህፃናት(ዩኒሴፍ) ልዕሊ ሸውዓተ ሚሊዮን ህፃናት ንሕሱም ሕፅረት ኣመጋግባ ተቓሊዖም ኣለው። ኣብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓላፊ ስደተኛታትን ስርሒት ረድኤትን ፌሊክስ ኦከች ለውጢ ኩነታት ኣየርን ፍሽለት ማክሮ ኢኮኖሚን ኣብቲ ዞባ ደርቂ ክጋደድን ስግኣት ውሕስነት መግቢ ክፈጥረን ገይሩ ኣሎ ኢሉ። ኦከች ወሲኹ ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ዋጋ መግቢን ነዳዲን ፅልዋ ዘሕደረ ዞባውን ዓለምለኻውን ግጭታት ካልእ ብድሆ እዩ ይብል ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ልዕሊ 15 ሚሊዮን ሰባት ብድርቂ ተጠቒዖም ኣለው። ቋንቋ ትግርኛ ናብ ዲጂታላዊ ስርዓት ንምስኻዑ ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ ንመቐለ ዩኒቨርስቲ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ዝተፈላለዩ ክፍለ ትምህርትታት ተማሂሩ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣውሮጳ ኣምስተርዳም ይነብር። መስራቲን ኣካያዲን መርበብ ሓበሬታን “መርምሩ” ዝዀነ ገብረክርስቶስ፡ ኣብ ምርምር ስነ ልሳን ኣተኲሩ ቋንቋ ፅሑፍ ትግርኛ በቲ ንሱ ዝብሎ ስርዓት ሒዙ ኣብ ዲጅታላዊ መርበባት ብቐሊሉ ኣገልግሎት ክህብ ንኽኽእል ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ንስራሓቱ ኣመልኪትና ኣውጊዕናዮ ኣሎና። ጠፊኦም ዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣትለታት ከምዝተረኽቡ ፖሊስ ኦሪገን ሓቢሩ ጠፊኦም ዝተባህሉ ኤርትራውያን ኣትለታት ከምዝተረኽቡ ፖሊስ ኦሪገን ንፈደረሽን ኣትሌትክስ ኤርትራ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ኣብ ውድድር ዓለምለኸ ኣትለቲክስ ንምስታፍ ንኣመሪካ መጺኦም ምስዋሮም ዝተሓበረ ሓሙሽተ ኣትለታት ኤርትራውያን ኣብ ውሑስ ቦታ ምህላዎም ፖሊስ ዩኒቨርስቲ ኦሬጎን ንፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ብምጥቃስ ኣመልኪቱ። ፈለማ ምጥፋኦም ዘመልከተ ፖሊስ ዩኒቨርስቲ ኦረጎን ድምጺ ንረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ኣትለታት ኣብ ውሑስ ቦታ ምህላዎምን ልምምድ ምጅማሮምን ኣመልኪቱ። ፈለማ ብዛዕባ ምጥፋኦም ናብ ፖሊስ ዘመልከተ እቲ ፈደረሽን ምዃኑ’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይጠቅስ። መራሕቲ ናይ ጽዕነት መካይን መስመር ጅቡቲ-ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ የጋጥሞም ከምዘሎ ይገልጹ ካብ ጂቡቲ ናብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን፣ መጥቃዕቲ የጋጥም ከምዘሎ ተሓቢሩ። ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ክልተ ዘወርቲ መካይንን ሓንቲ በዓል ቤተን ዝሞተን ወላዲት ካብ ጂቡቲ ብክልላት ዓፋርን ሶማሌን ኣቢሎም ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝንቀሳቀሱ መካይን፣ ንመጥቓዕቲ ይቃልዑ ከምዘለው ገሊጾም: ቅትለት፣ ኣካላዊ ጉድኣትን ዘረፋን የጋጥም ኣሎ’ውን ይብሉ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ፣ ሓሙሽተ መራሕቲ መካይን ብጥይት ከምዝተቀትሉ፣ ሰለስተ ካልኦት ድማ ከምዝቆሰሉ፣ ማሕበር ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኢትዮጵያ ገሊጹ ኣሎ። ሚንስትር ሎጂስቲክስ መጓዓዝያ’ታ ሃገር ምስ’ቶም ወነንቲን መሻርኽቲ እተን መካይንን ኣብ ዘካየዶ ልዝብ "ናይቶም መራሕቲ መካይን ቅሬታ፣ ግቡእ እዩ። ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ድማ ክንዓዪ ኢና" ከምዝበለ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኾ ዜና ይሕብር። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብሓሙስ ኣስታት 30 ዝኾኑ ኣገልግሎት መጉዓዝያ ዝህቡ ማሕበራት: መራሕቲ መካይን: ብወለንታ ኣብ ኣገልግሎት ምምራሕ መኪና ዝሰርሑ ውልቀሰባት ምስ ሚንስትሪ ትራንስፖርትን ሎጀስቲክን ከምኡ'ውን ኮሚሽን ፖሊስ ተራኺቦም ምዝርራቦም ተሓቢሩ'ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጌድኦ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ 13 ሰባት ኣብ ቐይዲ ምእታዎም ስድራቤቶም ሓቢሮም ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ጌድኦ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ 13 ሰባት ተኣሲሮም ክብሉ ስድራቤት ንድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ገሊጾም። ምምሕዳር እቲ ዞባ ብወገኑ እቲ ዞባ ሰላማዊ ምዃኑ ገሊጹ ብፌደራል ሓይሊ ዕማም ድሕነትንን ጸጥታን ተጠርጢሮም ዝተኣስሩ ሰባት ከምዘለዉ ገሊጹ። ይኹን ደ ኣ እምበር ቁጽሮም ካብ ምግላጽ ተቆጢቡ'ሎ። ሕቶ ክልልነት ዞባ ጌድኦ እንተዘይተፈቲሑ ብሓይሊ ከምዝኸውን ክንገብሮ ኢና ዝብሉ ብምስጢር ዝተወደቡ ጉጅለታት ምህላዎም ዘፍለጠ ፌደራል ሓይሊ ዕማም ድሕነትን ጸጥታን ህውከትን ዓመጽን ኣብ ዘለዓዕሉ ስጉምቲ ከምዝወስድ አፍሊጡ ኔሩ። ሰለስተ ካብቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ቴሌቭዥን ትግራይ ክሲ ተመስሪትዎም ኣብ ቴለቪዥን ትግራይ ክሰርሑ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት፡ ን53 መዓልታት ብዘይ ክሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሖም፡ ሎሚ ሰኑይ ነቶም ሰለስተ ካብኣቶም ክሲ ተመስሪቱዎም ኣሎ። እቶም ዝተረፉ ክልተ ግን ገና ይጽበዩ ኣለዉ። ንዝቐረሎም ክሲን ብወገን ቤተ-ዘመድን ጠበቓን ዝቐረብ ምጕት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። ፀጥታ መቐለ ቅድሚን ድሕሪን ኲናት ብኣዒንቲ ነበርቲ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ካብ ቅድሚ ኲናት ኣትሒዙ፡ “ሃንግ” ብዝብል ዝጽዋዕ ዝርፋን ክትራን ልሙድ ከም ዝነበረ ነበርቲ ይዛረቡ። ምስ ምምፃእ ኲናት፡ ስእነት ሓይሊ ፀጥታን ፖሊስን ሕጂ እዚ ተርእዮ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ ንነበርቲ ኣዘራሪብና ኣለና። ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ብዛዕባ ኩነታቶም ይዛረቡ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ተታሒዞም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ዝተወሰኑ ምምሕያሻት እንተርኣዩ እውን ሕዚ እውን ብሰንኪ ዝለዓለ ሙቐት ኣዴታትን ህፃናትን ንሕማም ይቓልዑ ምህላዎምን ሰባት ይሞቱ ምህላዎምን ኣፍሊጦም። ብዝተኣሳሰረ ዜና ብመንነቶም ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተታሒዞም ክብል ዝገለፆም ዓሰርተታት ኣሽሓት ተወለድቲ ትግራይ ክፈትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀቕጢ ክገብር ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።ርእይቶታት ፌደራልን ክልል ንምርካብ ዝገበረና ፈተነ ኣይሰለጠን። No media source currently available ቅድሚ ኣስታት ሓደ ወርሒ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብቲ ጉዳይ ፀብፃብ ድሕሪ ምቕራቡ ዝተወሰኑ ምምሓያሻት ምርኣዮም ካብ ኣብዓላ ተሓፊሶም ኣብ ከተማ ሰመራ ተኣሲሮም ዝርከቡ ሰባት ይዛረቡ።ንደሕንነቶም ስለዝሰግኡ ሽሞም ክንገልፆ ኣይደለዩን፣ድምፆም'ውን ለዊጥናዮ ኣለና። ካብቲ ቦታ ወፃኢ ከምዝደለይዎ ምንቅስቓስ ከምዘይኽእሉ ዝዛረቡ ንሳቶም ንዓጀብቶም እናኸፈሉ ናብ ባንኪ ይውሰዱ ዝነበሩዎ ተለዊጡ ንዝተወሰነ ስዓት ክወፁ ከምዝተፈቐደሎምን ስማርት ፎን ዘይኮነ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ምሓዝ እውን ከምዝተፈቐደን ይገልፁ። ኣብ ውሽጢ እቲ ካምፕ ብሓፁር ተኸፊሉ ሰብ ሓዳር ክራኸቡ ኣይፍቀድን ይብሉ። ብዘይ ዝኾነ ይኹን ክስን ፍርድን ንሸውዓተ ኣዋርሕ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ምፅንሖም ከይኣክል ናይቲ ክልል መንግስቲ "ዘፃሪዮም ስለዘለኒ ገና ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ክፀንሑ እዮም" ምባሉ ተወሳኺ ጭንቀት ከምዝፈጠረሎም ይገልፁ።ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን መጠን ሙቐቱ ካብ 41 ክሳብ 43 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ወይ ልዕሊ 100 ዲግሪ ፈራናሃይት ኣብ ዝኾነሉ ኣዚዩ ከቢድ ሙቐት ንምፅናሕ ኣፀጋሚ ከምዝኾኖም ይዛረቡ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ክልል ዓፋር መሓመድ ሑሴን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ተወለድቲ ትግራይ ናብ መንበሪኦም ንክምለሱ ንሰርሕ ኣለና ምስ በሉ ዝወስደሎም ግዜ ብዝምልከት ግን ከምዚ ኢሎም። "ንሕና ሕዚ ብዝሓዝናዮ መደብ መሰረት ኣብ ውሽጢ ክልተ፣ ሰለስተ ኣዋርሕ እቶም ሰባት ናብ መንበሪኦም ክምለሱ እዮም ዝብል ናይ ሓባር መደብ ምስ ተወከልቲ ሕቡራት ሃገራት ሒዝና ኣለና።" ናይቲ ክልል መንግስቲ ነዞም 7,800 ሰባት እዮም ዝበሎም ተወለድቲ ትግራይ እሱራት ኣይኮኑን፣ንድሕንነቶም ካብ መጥቓዕቲ ንምክልኻል ሓለዋ ይግበረሎም ዘለው ተመዛበልቲ እዮም ይብሎም።ዘዘራረብናዮም ግን እዚ ትኽክል ኣይኮነን ብመን ኢናኸ ንጥቃዕ ኢሎም ይሓቱ።ዝምልከቶ ኣካል ናብ መንበሪኦም ክመልሶም እውን ይምሕፀኑ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ "ኩነታት ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራን ኣጋቲናን ኣብ ካምፕ ተታሒዞም ዝርከቡ ሰባት ብሽም መዕቖቢ ዝተፈፀመ መንነት ብሄር መሰረት ዝገበረ ዘይሕጋዊን ብሃበ ተረኽበ ዝተፈፀመ ጃምላዊ ማእሰርቲን ስለዝኾነ ብህፁፅ ክፍትሑ ይግባእ፤ናብ መንበሪ ከባቢኦም ክሳብ ዝምለሱ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ካምፕ ክፀንሑ ዝደልዩ እንተሃልዮም ብምሉእ ድለየቶምን ብዘይዝኾነ ይኹን ናይ ምንቅስቓስ እገዳን ክኸውን ይግባእ’’ ኢሎም። ስኣን ሕክምና ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም 76 ሰባት ምሟቶም እቶም እሱራት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ተዛሪቦም ነይሮም።ሕዚ ብዝሒ መወቲ ልዕሊ 80 በፂሑ ኣሎ ይብሉ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቁፀሮም ከይገለፀ ዝሞቱ ሰባት ከምዘለው ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ ኣሎ።ኣብቲ ኮሚሽን ዳይረክተር ምርመራን ክትትልን ሰብኣዊ መሰላት ክልል ዓፋር ዝኾነት ወይዘሮ ሰላማዊት ግርማይ ቤት ፅሕፈታ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን በዝሒ ዝሞቱ፣ኩነታት ኣማውትኦምን ካልእን ከፃሪ ናብቲ ቦታ ዝተልኣኸ ጉጅለ ስርሑ ምስወድአ ክግለፅ እዩ ኢላ። ብዛዕባ ዝሞቱ ሰባት ካብ ሰበስልጣን ክልል ዓፋር ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ሕግን ዓለምለኸ ሕግን ግቡኡ ብምውፃእ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ "መዳጎኒ ካምፕታት’’ኢሉ ኣብ ዝፀውዖም ኣብያተ ማእሰርቲ ይማስኑ ዘለው ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ትግራይ ክፈትሕ ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብር ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ወፃኢ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 27 ሰነ 2014 ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፀዊዑ። ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ንምርካብ ናብ ወሃቢ ቃል ሚንስትር ፍትሒ ኣቶ ኣወል ሱልጣንን ወሃቢ ቃል ፌደራል ፖሊስ ጀይላን ኣብዲን ስልኪ ደዊልና ኣይተልዓለን።ርእይቶታቶም ምስረኸብና ክነቕርቦ ኢና። ኢጋድ: ኣብቲ ዞባ አጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ንምምካት ሓገዝ ይሓትት መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ዞባ አጋጢሙ ዘሎ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዝበልዎ ደርቂ: ፖለቲካዊ ዘይምርግጋኣት እቲ ዞባ የጋድዶ ኣሎ ክብሉ የጠንቅቑ። ነቲ ን23 ሚልዮን ህዝቢ ናብ ሓደጋ ከቓልዕ እዩ ተባሂሉ ዝተሰግኣሉ ሓደጋ ንምክልኻል ንቅልጡፍ ምትእትታው ሓገዝ ወሃብቲ ይፅውዑ ኣለዉ። ኣባል ሃገራት በየነ መንግስታት ትካል ልምዓት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ጁቡቲ ፣ ኤርትራ ፣ ኢትዮጵያ ፣ ኬንያ ፣ ሶማል ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳንን ኡጋንዳን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺበን ኣብ ሰብኣዊ:ፖለቲካዊን ፀጥታዊን መዳያት እቲ ዞባ ዘትየን። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ: ኬንያን ሶማልን ዝርከብ ን23 ሚልዮን ሰባት ንሕፅረት ውሕስና መግቢ አቓሊዑ ዝርከብ ሰብኣዊ ኩነታት ቀንዲ መዘራረቢ መበል 39 ዋዕላ መራሕት ሃገራት ኢጋድ ኮይኑ እዩ። ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ሃገራት እቲ ዞባ ደርቂ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ቅድሚ ምብፅሑ ንምክልኻሉ ክቃለሳ ከምዝግባእ ኣብቲ እዋን ተዛሪቦም ። “እቲ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ኣጋጢሙ ዘሎ ዝኸፍአ ደርቂ ስግኣት ኣብ ውሕስና መግቢ ፈጢሩ ፣ ሃብቲ ማይ ኣንቂፁዎን ምምዝባል ሰባትን ፈጢሩ እዩ። እዚ ድማ ሓዱሽ ጎንፂ ክፈጥር ዝኽእል ወጥሪ ክለዓል ይገብር ኣሎ ። ብምኳኑ እዚ ድርቂ እናተጋደደ ናይ ዝበኣሰ ሳዕቤኑ ከይበጽሓን ክንቆፃፀሮ ይግበኣና።" ገለ ከባቢታት እቲ ዞባ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ወቅ፟ትታት ዝናብ ክረምቲ ዘይረኸበ እዩ። እዚ ድማ ሚልዮናት ሰባት መግቢ ፣ማይን መጋሃጫን ንምድላይ ክግዕዙ ኣገዲዱዎም እዩ። መራሒ ሱዳን ዓብዱል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ ደርቂ ኣብ ልዕሊ እቲ ዞባን ህይወት ሰባትን ከቢድ ፅልዋ ፈጢሩ እዩ ኢሎም ። ንሶም ወሲኾም “እዚ ደርቂ ቀልጢፍና እንተዘይተቆ፟ፃፂርናዮ ኣብ 40 ዓመታት ውሽጢ ሪኢናዮ ዘይንፈልጥ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ክኸውን ይኽእል እዩ። ደርቂ ንህዝብናን ጥሪታቱን ይቀ፟ትለልና ኣሎ፤ ከምኡ'ውን ኣብ ምስላጥ ልምዓታትና ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ።" ኢሎም ሰብ ሞያ እቲ ኸባቢ ኣብ ዝመፅእ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ስጋብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ እዋን ዝናብ ክረምቲ ክረክብ ከምዘይኽእል ይትንብዩ። ኣሚና ዓብዱላሂ ኣብ ምብራቅ፟ ኣፍሪቃ ዞባዊት ዳይሬክተር ኮንሰርን ዎርልድዋይድ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ እየን። ንሰን ኣብ ቀረባ ንሚልዮናት ዝባፃሕ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ እቲ ዞባ ብጥምየት 350,000 ህፃናት ክስእን ከምዝኽእል እየን የጠንቅቓ። ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮምሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ደሕንነትን ዝኾኑ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዋይ ብወገኖም ኣባል ሃገራት ኢጋድ ሳዕቤናት ደርቂ ንምቅ፟ራፍ ኣብ ዝገብርዎ ፃዕሪ ኣፍሪቃዊያን ዓለምለኸ መሓዙትን ብምትሕብባር ኣብቲ ቃልሲ ኢዱ ከምዝሓውስን ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለን ልምዓትን ኣብ ምስፋን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝለዓለ ደገፍ ከምዝገብር ኣብቲ እዋን ገሊፆም። ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኬንያ ሄንሪየት ጋይገር ኣብቲ ዋዕላ ከምዝበልዎ ሕብረት ኣውሮጳ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ካብ ዩክሬን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን እኹል መግቢ ዝጉዓዓዘሉ ኣገባብን ብተወሳኺ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ቀረባ 648 ሚልየን ዶላር ስርዓት መግቢ ቀርኒ አፍሪቃን ተፃዋርነትን ንምሕያል ፃዕሪ ይገብሩ ምህላዉ ተዛሪቦም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስጋብ ዝመፀእ ወርሒ ሓገዛት ንምቅ፟ራብ ብውሑዱ 4.4 ቢልየን ዶላር ከምዘድልዮ እንተገለፀ'ኳ ካብ ለገስቲ ዝተረኽበ ሓገዝ ግን ሸቶኡ ዝወቅ፟ዐ ከምዘይኮነ ይሕበር። ሁማን ራይትስ ዎች ጎንጺ ትግራይ ንናይ ኦሮምያ ዓብሊልዎ'ዩ ይብል ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ይወርድ ዘሎ "ዘየቋርፅ ተመላላሲ መጥቓዕቲ" ንከይርኣይ ግጭት ትግራይ ከዊሉዎ ክብል ኣፍሊጡ። ኣብ ኒው ዮርክ ዝመደብሩ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተዋጋእቲ ብሰንኪ ዘካይዶ ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈፀሙ ዝበሎም ከበድቲ መግሃስትታት ምስናዱ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌዴራልን ዕጡቓት ትግራይን ኣብ ሕዳር 2020 መጠነ ሰፊሕ ኵናት ምስተወልዐ ዓለምለኸ ጠመተ ኣብኡ ብምድሃቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝረአ ህውከት ብዘይመፍትሒ ንዓመታት ከምዝቐፀለ ይሕብር። እቲ መግለፂ"ቅድሚ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብግጭት ኣብ ዝሳቐዩ ከባቢታት ሓዊሱ ብዘይ ተሓታትነት ሰፊሕ መግሃስታት መሰላት ተፈፂሞም እዮም"ይብል ። እቲ መግለፂ ወሲኹ "መብዛሕቲኦም መግሃስታት ሕጂ እውን ቀፂሎም ስለዘለው ህፁፅ ዓለምለኸ ቆላሕታ የድልዮ።"ገበን ፈፂምካ ናይ ዘይምሕታት ባህሊ "ብዝፈፀሙዎ በደል ተሓተቲ ንዘይኾኑ ሓይልታት ፀጥታ ካብ ምትብባዕ ወፃኢ ተወሳኺ ጉድኣት ከይፍፀም ዝኸልከሎ የለን’’ይብል። ሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣንፃር ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ዝተባህለ ሓይሊ ንዓመታት ይዋግእሉ ናብ ዘለውሉ ምዕራብ ኦሮሚያ ምብፃሕ ዝተኸልከለ እዩ። እቲ ዓለምለኸ ተሓላቒ መሰላት ሎሚ እውን ግን ብሓይልታት መንግስቲ ዝፍፀሙ መቕተልትን ብሃበ ተረኽበ ምእሳርን ኣብቲ ከባቢ ቀፂሎም ይርከቡ ይብል ። ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ወርሒ ሰነ መብዛሕቲኦም ተወላዶ ኣምሓራ ዝኾኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰላማዊያን ሰባት ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብዕጡቓት ከምዝተጨፍጨፉ ይገልፅ። ከባቢያዊ ሰበስልጣን ነቲ ቕትለት ዝፈፀሞ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እዩ ክብሉ ከለው እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ነቲ ክሲ ብምንፃግ ፈፃሚኡ ናይ መንግስቲ ደጋፊ ሚልሽያ እዩ ክብል ይኸስስ። ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ስዒቡ ኣብ መጀመሪያ ወርሒ ሰነ ሓይልታት መንግስቲ ተሓባበርቲ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ እዮም ኢሎም ንዝጠርጠሩዎም ሰባት ረሺኖም። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ናይ ብዙሓት ጓሂ ብምግላፅ ዝፍለጥ ውሩይ ሙዚቀኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ቅትለት ስዒቡ እቲ ክልል ከቢድ ህውከት ከተኣናግድ ፀኒሑ እዩ።ናቱ ምቕንፃል ስዒቡ ኣብ ጎደናታት ብዝተኻየዱ ሰልፍታት ልዕሊ 160 ሰባት ተቐቲሎም፣ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ፖለቲካን ተቓወምትን ኦሮሞ ተኣሲሮም። ብዙሓት ድሕሪ ግዜ ተፈቲሖም፤ገሊኦም ግን ቤት ፍርዲ ንክፍትሑ እንተኣዘዘ እውን ማእሰርቶም ቀፂሉ ኣሎ። እቲ ተሓላቒ መሰላት ኣብ መግለፂኡ"መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ መላእ ኦሮሚያ እናገደዱን ስድራታት ንዝኸፍአ ስቓይ ዘቓልዑን ዘለው መጥቓዕትታት ዕሽሽ ክብሉዎ የብሎምን።በደል ኣብ ዝፍፅሙ ናይ ፀጥታ መሓውራት ናይ ኣወዳድባ ምምሕያሽን ምምዕርራይን ምክያድ ማሕበራዊ ስምብራት ክሓውይ የድሊ እዩ’’ይብል። እቲ መግለፂ ከጠቓልል ከሎ "ማሕበረሰባት ይሓቱዎ ብዘለው መንግስቲ ብሓይልታትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ንዝተፈፀሙ ከበድቲ መግሃስትታት ተኣማኒን ነፃን ምርመራ ምስላጥ ክጅምር ይኽእል እዩ’’ ይብል ። ተቛሪጹ ዝጸንሓ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ከተማ መቐለ ምጅማሩ ተገሊጹ ን10 መዓልታት ተቛሪጹ ዝጸንሓ ናብ መዕረፎ ነፈርቲ መቐለ ይካየድ ዝነበረ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀዳም 25 ሰነ 2014 ዳግም ከምዝተጀመረ ተገሊፁ::\n\nድምፂ ኣመሪካ ካብ ክልተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘረጋገፆ እቲ ተቛሪጹ ዝነበረ በረራ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተጀመረን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ እውን መቐለ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዞ ከምዝጀመሩ ገሊፆም::\n\nኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍ ደገ ብኣገልግሎት ኣየር ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተለጠፈ ናይ ፅሑፍ ምልክታ እውን መዓረፎ ነፈርቲ መቐለ ዳግም ተኸፊቱ ይብል::\n\nእቲ በረራ ኣብ ዝተቛረጸሉ እዋን ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን ኢትዮጵያ "መንግስቲ ዘዳለዎ መድሓኒት: ናውቲ ሕክምናን ሃናፂ መግቢ ንህፃናት መዓልታዊ ዝለኣኽ ዝነበረ በረራ ህወሓት ንዘይተወሰነ ጊዜ መቐለ መዕረፎ ነፈርቲ ከይኣትው ኣጊዱ" ክብል ገሊፁ ነይሩ::\n\nቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ ብወገኑ እቲ "በረራ ዝተቛረጸ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ ስርሑ ክፍፅመሉ ዘኽእል ነዳዲ ስለዘየለ እዩ" ብምባል ሰብ መዚ ኣዲስ ኣበባ ኢሎ ንዝፀውዖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ "ነዳዲ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ሙሉእ ብሙሉእ ብዝበሃል መልክዑ ስለዝኸልከለ ዝተፈጠረ እዩ" ኢሉ ነይሩ:: “ተበግሶ ሰላም ብልፅግና ብኣወንታ ዝርአ’ዩ” ኣይተ ጌታቸው ረዳ "ገዛኢ ሰልፊ ብልፅግና ንተበግሶ ሰላም ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለፂ ብኣወንታ ዝርአ’ዩ” ክብሉ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓትን ወሃብ-ቃል ክልል ትግራይን ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ንህሉው ኩነታት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ጠቒሶም። No media source currently available ምምዝባዕ ዘርኢ- ኦውቲዝም-ብዓይኒ ሞያዊ ብምምዝባዕ ዘርኢ ዝፍጠር “ኦውቲዝም፡” ንሓያሎ ስድራቤታትን ኣሻቓሊ ተርእዮ’ዩ። ንምዃኑ እዚ ተርእዮ’ዚ ክፍወስ ይኽእል ዲዩ፧ ንኣመጻጽኣኡን ካልእ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ኣርእስታትን ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ሞያ ሕክምና ህጻናት ዝነጠፈ ዶክተር መዝገበ ሃይለ ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ቃለ-መጠይቕ ምስ ኣብ ክንክን ቆርበት ስነ ጽባቐን ትነጥፍ መንእሰይ ሓበን ግርማይ ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ፡ ብንእሽቶኣ ናብ ኣመሪካ ዝመጸትን “ሽኮሪና ባይ ሓቢ” ዝብል ትካል ክንክን ቆርበት ስነ ጽባቐን እትውንን ሓበን ግርማይ፡ ብዘይካ'ቲ ትህቦ ኣገልግሎት ጥዕና ቆርበትን ስነ ጽባቐን ናታ ፍርያት ብምቅማምን ምድላውን ንዕዳጋ ተቕርብ። ፍርያት ትካል "ሽኮሪና ባይ ሓቢ" ናይ ትግርኛ ኣስማት ዘለዎም ፍርያት ምዃኖም ብተወሳኺ ባህላዊ ዲሳይን ብምጥቃም ከምዝዕሸጉ'ውን ሓበን ትገልጽ። ሓበን ናብዚ ዓውዲ ንምንታይ ከምተጸንበረት ኣገዳስነት ባህርያዊ ጥረ-ነገራት ኣብ ጽባቐ ቆርበት ካልኦት ጉዳያትን ብዝምልከት ኣዘራሪብና ኣለና። ሓባራዊ መግለጺ ኣመሓዳርቲ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያንን ኣንፃር ግብረ ሽበራዊያን ኢሎም ዝፀውዎም ጉጅለታት ብሓባር ንምክልኻል ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም። ኣመሓደርቲ ክልቲኣን ክልላት ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ቅኒያት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ጭፍጨፋ ብንክልቲኦም ክልላት ብምፍልላይ ናይ ምፍራስ ተልእኾ ዘለዎም አካላት ዝተፈጸመ እዩ ኢሎም። ተመሳሳሊ ተግባራት ከይፍፀምን መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝፅውዖ ንባዕሉ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኢሉ ዝፅውዕን ንምጥፋእ ክልቲኦም ክልላት ተሓባቢሮም ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለን ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳን ገሊፆም። ንናይ ክልቲኦም ክልላት መግለፂ ብዝምልከት ርእይቶ ዝሃቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ እቲ ስጉምቲ ነቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከጋድድ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ክገልፁ ከለው ናይ ኣዴሃን ኣቦ ወንበር ኣቶ ተስፋሁን ኣለምነህ ድማ ነቲ መግለፂ ደጊፎም። ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብዝተፈፀመ ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ ካብቲ መጥቓዕቲ ዝተረፉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም እዮም።ብዛዕባ እቲ መጥቓዕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገና ኣብ ምፅራይ ከምዝርከቡ ይገልፁ። ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራትን ትካላትን ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ሕ/ሃ ብገለልተኛ ኣካል ክፃረ ፀዊዑ ኣሎ ። ነቲ መጥቓዕቲ ከምዝፈፀመ ብመንግስቲ ዝተኸሰ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብትሪ ብምኹናን እዚን ካልኦትን ዝተፈፀሙ መጥቓዕታት ብነፃ ኣካል ክምርመር ፀዊዑ ኣሎ። ዕላል ምስ ፖለቲከኛን ደራሲን ክብሮም በርሀ ፖለቲከኛን ደራሲን ክብሮም በርሀ ንኹናት ትግራይ ዝምልከት 'ምጽኣት' ዘርእስቱ ሓዱሽ መጽሓፍ ኣሕቲሙ'ሎ። ክብሮም ንጠንቂን ሳዕቤንን ዂናት ትግራይ ዝብሎ ኣብቲ መጽሓፍ ኣጠቓሊልዎ'ሎ። ንሱ ብዛዕባ'ዚ ሓድሽ መጽሓፍ ከምኡ'ውን ነቲ መጽሓፍ ንምጽሓፍ ዝሰዓቦ መስርሕ ምእኻብ ሓበሬታን መጽናዕቲን: ከምኡ'ውን ኣገዳስነት'ቲ መጽሓፍን ብዝምልከት ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ክብሮም በርሀ አባል ላዕለዋይ አመራርሓ ውድብ ባይቶና'ዩ። ኢትዮጵያ: ደርቂ ጓሶት እንሰሳታቶም ዝምገብዎ ክበልዑ የገድዶም ምህላው ይገልጹ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደርቂ፣ ንዘራእቲን ሚልዮናት ጥሪትን ኣጥፊኡ፣ ናብርኦም ኣብ ሕርሻን እንስሳትን ዝተሞርከሰ ሚልዮናት ሰባት ድማ ጥምየት ኣጋጢምዎም'ሎ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ደቡብ ምብራቅ ኢትዮጵያ ባሌ "ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ፣ ኢትዮጵያ፣ ገለ ጓሶት፣ ዘዋፍሩወን ጥሪት ይበልዐዖ ንዝነበረ ሰራውር ምምጋብ ጀሚሮም ኣለው" ይብል። No media source currently available ኣብ ዞባ ምብራቅ ባሌ ኢትዮጵያ ዝርከብ ጎባና፣ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ወዲቁ ኣሎ። ዓብዪ ዓዲ እቲ ከባቢ ኣቶ ዓብጉላሂ ዋቆ "ሎም ዘበን፣ ካብ መንግስቲ ድዩ ካብ ካልኦት ትካላት ዝረኸብናዮ ረድኤት የለን። ኣብ ከባቢና ኣብ ዝርከቡ ነበርቲ ኢና ተጸጊዕና ዘለና። እዚ ለቢስናዮ ዘለና ክዳን ከይተረፈ እኮ እዮምን ለጊሶምልና" ይብሉ። ህዝቢ ጎባና፣ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ብሰንኪ ግጭት ካብ ከባቢኦም ካብ ዝተመዛበሉ ጊዜ ንደሓር ኣብ ዘሎ እዋን በቲ መንግስቲ ዝህቦም ሓገዝ'ዮም ዝነብሩ: ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሮም፣ ኣብ ውን ኣብ መዓስከራት'ዮም ዝነብሩ: እቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደጋ ደርቂ፣ ንብዙሓት ሰባት፣ ዓቅሞም ስለዘዳኸሞ ካብ’ቲ መዓስከር ውጽእ ኢሎም ንክንቀሳቀሱ’ውን ኣየከኣሉን። ኮምሽን ሃገራዊ ሓደጋንን ምሕደራን ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ባሌ ኣጓኒፉ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ፣ ግብረ መልሲ ክህበና ኣይካኣለን። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ነበርቲ ጎበና ግና እቲ ተሪፍዎም ዘሎ እንኮ ኣማራጺ፣ ረድኤት ብህጹጽ ክመጸልና እዩ ዝብል ተስፋ ጥራሕ ኮይኑ ኣሎ ይብል። ቃለ መጠይቕ ምስ ኣብ ሊብያ ዝርከብ ስደተኛ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት ንሓደ ካብ ኣቶም ኣዘራሪብና ኣለና፡ ንድሕነቱ መንነት ናይቲ ስደተኛ ክንዕቅብ ኢና። ሰብ መዚ ዓይደር ሆስፒታል ብሰንኪ ሕጽረት መሳለጥያ ሕሙማት ይሞቱ ምህላዎም ይገልጹ ብሰንኪ መሰረታዊ ሕጽረታት ሰራሑ ደው ከም ዘበለ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገለጸ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብቲ ዝህቦ ዘሎ ኣዝዩ ንኡስ ኣገልግሎት’ውን ገና ኣብ ኢድ ሓካይም ሕሙማት ይመትዎ ከም ዘለዉ ሰብ-መዚ እቲ መወከሲ ሆስፒታል ይገልጹ። ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ብዋሕስ ተፈቲሖም ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ነበር ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ብ30,000 ብር ዋሕስ ምፍትሖም ጠበቕኦም ኣቶ ሸጋው ኣለበል ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፁ። እቶም ብርጋዴር ጀነራል ንሕገ መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ ብምፍታን ብዝብል ገበን ተጠርጢሮም ን25 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ምፅንሖም እቲ ጠበቓ ሓቢሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ኣበርገለ ብዘይተፈልጠ ሕማም ተላገብ 9 ህጻናት ሞይቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓይልታት ህወሓት ተቖጻጺሮሞ ኣብ ዝርከቡ ዞባ ዋግሕምራ ወረዳ ኣበርገለ፡ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም ተላገብ ትሸዓተ ህጻናት ከምዝቐተለ ካብቲ ቦታ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ስፍራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ብምዃኑ ኣቲኻ ሕክምና ምሃብ ኣይክኣልን ዝበለ መምርሒ ሕክምና`ቲ ኸባቢ፡ዓለምለኸ መሻርኽቲ ናብቲ ቦታ ኣትዮም ተወሳኺ ሞት ክከላኸሉ ጸዊዑ`ሎ። ሕጂ ኣብ ሰቖጣ ኣብ መዕቆቢ ተፈናቐልቲ ዝርከብ ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣበርገለ፡ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ እቲ ሕማም ብሓንቲ ቁሸት ጀሚሩ ናብ ካልኦት ዓድታት`ውን ይሰፍሕ ኣሎ ኢሉ። ብድሆታትን ዕድላትን መንእሰያት ኣብ ስደት ብድሆታትን ረብሓታትን ስደት ብፍላይ ንመንእሰያት ዝጠመተ’ዩ። ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ብሰፍሑ መፅናዕቲ ዘካየደን መፃሕፍቲ ዝፀሓፈን ዶ/ር ጋይም ክብረኣብ ካብ ሎንደን: ዶ/ር መንግስትኣብ ተስፋዩሃንስ ካብ ኒውዮርክ ስተይት ዩኒቨርስቲ: መምህር መሃዛይነት(entrepreneurship)ን ካብ ኖርወይ ኸኣ ተማሃራይ ምህንድስና ፍቅረይ የማነ’ዮም። መሪሕነት ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ህዝባዊ ኣኼባ ከካይድ ምቕናዩ ተሓቢሩ ኣብ ዝተፈላለየ ወገናት ክልል ትግራይ፡ መሪሕነት እቲ ክልል ህዝባዊ ኣኼባታት ክገብር ምቕናዩ ተፈሊጡ ኣሎ። ንዕላማን ኣመታትን እቲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣመልኪቱ ካብ ሰብ-መዚ እቲ ክልልን ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባን ኣዘራሪብና ኣለና። ቃለ መጠይቕ ምስ ምስ በዓልቲ ሞያ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘውዲ ገዛኢ ቃለ መጠይቕ ምስ በዓልቲ ሞያ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘውዲ ገዛኢ ረዳ ጋሻ: ንሞያዊ ተሞክሮኣን ልምዳን ኣመልኪትና ኣዘራሪብናያ ኣለና። ኣብ ክልል ኦሮምያ ደቖም ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ክልተ ወለዲ ሓቢሮም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ‘ወረ ጃርሶ’ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ዝሓለፈ ሰሉስ ደቆም ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ከምዝተቐተሉዎም ክልተ ወለዲ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም። እቶም ወለዲ ምስ ዕጡቓት ሸኔ ርክብ ኣለዎም ብዝብል ናይ ዝተቐተሉ ደቆም ኣስከሬን ምልዓልን ምቕባርን ከምዘይክኣሉ ተዛሪቦም። ኣቶ ታምሩ ነጋሳ ውላዶም ካሳ ታምሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሰላሌ ጨንፈር ኩዩ ሳልሳይ ዓመት ተማሃራይ ከምዝነበረ ሓቢሮም።ኣቶ ስሜነህ በላ እውን ደሃይ ወዶም መንእሰይ መለስ ስሜነህ ክሓቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዶም ምሟቱ ከምዝተነገሮም ሓቢሮም። ኣብቲ ጉዳይ ናይቲ ወረዳ ሓለፍቲ፣ናይ ኦሮሚያ ክልል ሰበስልጣንን ናይ ፌደራል ፖሊስ ሰበስልጣንን መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። መዓልቲ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ተዘኪሩ ውዒሉ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ንእዋናዊ ጸገማት ብዝርርብ ንምፍታሕ፡ ኢትዮጵያውያን ኩሎም ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም ክብላ ኣተሓሳሲበን። ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸብረ መበል 81 መዓልቲ ሓርበኛታት ዝተረኽባ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፡ ናይ ሎሚ ወለዶ ካብ ተጋድሎ ቀዳሞት ሓርበኛታቱ ተማሂሩ ሓላፍነቱ ክፍጽም ይግባእ ኢለን። ኣብቲ በዓል ፡ ሓርበኛታትን ደቂ ሓርበኛታትን ከምኡ`ውን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝተረኽቡ ክኾኑ ከለዉ፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት ማሕበር ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ኮይነን ዘገልግላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ፡ ጽንዓት ገድሊ ሓርበኛታት፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጸልማት ብርሃን ምድላይን ኣብ እዋን መከራ ተሓባቢርካ ናይ ምስራሕን ኣብነት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ከምዚ ዝስዕብ ኢለን፡“ብኸምዚ ብሰናይ ነገር ንኽንዝከር፡ ደቅናን ደቂ ደቅናን ዘይሓፍሩላ ሃገር ንምውራስ፡ ነቲ ብጽሒትና ኣብ ዘመንና ምፍጻም`ዩ ትጽቢት ዝግበረልና። ሰላም ዝነገሰላን ዝለምዐትን ሃገር ኢና ክነረክብ ዝግብኣና: ግዴታ`ውን ኣለና። ናይ ኣማራጺ ጉዳይ`ውን ኣይኮነን። ከም ሃገር ክንቅጽል ንደሊ እንተኾይና ዘለና ኣማራጺ ንሱ ጥራይ`ዩ።” "ብቐዳሞት ኣቦታትን ኣዴታትን ተኸቢራ ንዝጸንሐት ሃገር፡ ናብ ወለዶታት ምስጋር ዝክኣል፡ ብምክብባር፡ ጽን ኢልካ ብምስማዕን ብምትሕስሳብን`ዩ" ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፡ ንእዋናዊ ጸገማት ብዝርርብ ንምፍታሕ ፡ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ድልው ክኸውን ኣለዎ ክብላ ኣተሓሳሲበን። ኣብቲ ጣልያን ተሳዒሩ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጻሉ ዕለት ንምዝካር ዝተኻየደ በዓል፡ ህጻናትን መንእሰያትን ዝተፈላለየ ምርኢታት ኣቕሪቦም ኔሮም። ግጉይ ሓበሬታን ምምያን ምንቁልቋል ናጽነት ፕረስ የላዕል ሎሚ 3 ግንቦት ተኸቢሩ ኣብ ዝውዕል መዓልቲ ናጻ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር፡ ዓለምለኻዊ ዘይመኽሰባዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ምስ ምስፍሕፋሕ ግጭታት፡ ናጻ ፕረስን ሓበሬታን ኣብ ዝተሓተ ጽፍሑ በጺሑ ኣሎ ክብል ጠቒሱ። ብሰንኪ እቲ እናተጋፍሐ ዝኸይድ ዘሎ በበይኑ ግጭታት ድማ ዝንቡዕ ርእይቶ ከም ጭቡጥ ሓበሬታ ዝቐርበሉ ኣጋጣሚታት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ፓሪስ-ፈረንሳይ ዝመደበሩ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብቲ ዘውጽኦ ዓመታዊ ተርታ ናጻ ፕረስ ሃገራት ኤርትራ ካብ መበል 180 ሃገራት ንሰሜን ኮርያ ጥራይ ቀዲማ መበል 179 ክትስራዕ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ መበል 114 ካብ 180 ሃገራት ተሰሪዓ ኣላ። ኣብዚ ተርታ’ዚ ኤርትራ ብተደጋጋሚ እዋን፡ ናጽነት ፕረስ ዝኸፍአ ዝርኣየላ ሃገር ተባሂላ መጨረሽታ ክትስራዕ ጸኒሓ’የ። ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተፈጸመ ወራር ንናይ ሓሶት ወረ ካልእ መዋግኢ ባይታ ከፊቱ`ዩ። ዶብ-ኣልቦ ሪፖርተራት ዝተባህለ ተሓላቒ ናጽነት ሚድያ፡ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ናይ 2022 ጸብጻቡ፡ ፕሮፓጋንዳ ንናጽነት ሚድያ ብኸመይ ከም ዝጸለዎ ዘርኢ ጸብጻብ ኣውጺኡ`ሎ፡፡ ኣብ ልዕሊ ተኣመንቲ ሚድያታት ዝቐንዐ ፕሮፓጋንዳን ማእሰርትን ተራእዩ፡ ወተሃደራት ሩስያ ንዩክሬን ኣብ ዝወረርሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዝካየድ መጥቃዕቲ`ውን ሓይሉ። ብመሰረት ብዶብ ኣልቦ ሪፖርተራት ዝወጽእ ዓመታዊ ጸብጻብ ደረጃ ሃገራት፡ ናጽነት ሚድያ ሩስያ ዳርጋ ናብ ባይታ ወሪዱ። እቲ ዝርዝር ን28 ሃገራት ሕማቕ ናጽነት ሚድያ ኢሉ ዝመደበን ክኸውን ከሎ፡ ከም ቻይና ዝበላ ካብ ዶበን ሓሊፈን ምመያ ሚድያ ዝገብራን ንፕሮፓንጋንዳ ሩስያ ዘጋውሓን ዝተሓወስኦ ኮይኑ`ሎ። ብሰንኪ ተጽዕኖታት በይጂንግ፡ ሆንግ ኮንግ`ውን ቅጽበታዊ ምንቁልቋል ኣርእያ`ላ፡ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ደሞክራሲ ዝኾና መርበብ ሓበሬታታት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ምክያድ ካብ 180 ሃገራት ፡ ኣብ መበል 148 ተሰሪዓ'ላ። ሰበ-ስልጣን ንሚድያታት ክመምዩን ክጸቕጡን ድሕሪ ምንቅስቓሶም ኢትዮጵያን ኒከራግዋን`ውን ቁልቁል ወሪደን`የን። ኣብ ኣመሪካ ምኽትል ዳይሬክተር ዶብ-ኣልቦ ሪፖርተራት ክለይተን ወይመርስ፡ዝያዳ ዘሻቕል ድማ ፡ ኣግላልነትን ግጉይ ሓበሬታን፡ኣብ ልዕሊ ማሕበረ-ሰብ ዘሕድሮ ጽልዋ`ዩ ይብል። ብሓይሊ ስልጣን ምጭባጥ`ውን ኣብ ልዕሊ ሃዋህው ሚድያ ፀቕጢ ፈጢሩ`ዩ። ኣብ ገሊኡ ድማ ብዓመታት ንዝተሃንጸ ናጽነት ሚድያ ጸራሪግዎ`ዩ። ኣብ ማይንማር ዝተገብረ ዕልዋ፡ ንመሰል ሚድያ ናይታ ሃገር ን10ዓመታት ዓመት ንድሕሪት መሊስዎ። ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም፡ ፍቓድ ሚድያ ተመንዚዑ፡ ብዙሓት ትካላት ዜና ድማ ናብ ስደተን ኣምሪሐን። ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ጣሊባን ናጽነት ፕረስ ከኽብር`የ ኢሉ ከብቅዕ፡ ቀያዲ ሕግታት ብምውጻእ፡ ደቀንስትዮ ካብ ማዕበላት ፈነወ ከምዘልግሳ ጌሩ። ሚድያታት ናይ ምዝንጋዕ ኮነ ናይ ምውዕዋዕ ስራሕ ከይገብራ ምስ ተኣገዳ ፋይናንሳዊ ጸገማት ኣጋጢምወን። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኩናት፡ መራኸብታትን መስመራትን ብምዕጻዉ፡ ናጽነት ሚድያ ብ13 ነጥቢ ናብ 114 ደረጃ ወሪዱ፡። ኣር.ኤስ.ኤፍ እዛ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ብጽገናዊ ለውጥታት ዝተዘርበላ ሃገር ብ13 ነጥቢ ክትወርድ ጽቡቕ ውጽኢት ኣይኮነን ይብል ። ብሓፈሽኡ፡ኣብ ዙርያ ዓለም ምቁልቋል ናጽነት ፕረስን፡ ምልካዊ ስልትን ተጋፊሑ`ሎ ይብል፡ ክለይተን ወይመርስ፡“ተመሓላላፋይ ሳዕቤን`ዩ ካብ ምልካውያን ስርዓታት ዝመጽእ ዘሎ። ንጋዜጠኛታት ከከላብቱ ፡ ክኣስሩ፡ ኣብ ጽርግያ ክቐትሉ ከለዉ ስቕ ክብሃል ከሎ፡ ዘይተሓታትነት ባህሊ`ዩ ዝምዕብል። ባዕሎም እቶም ምልካውያን ንኽደግምዎ እዩ ዘተባብዕ ዘሎ፡ ብማዕዶ ክዕዘቡ ዝጸንሑ ካልኦት ምልካውያን ስርዓታት ድማ ልክዕ ከምኡ ክገብሩ ሓይሊ ንክስምዖም ይገብሮም ማለት`ዩ።" ኣመሪካ ኣብዚ ዝርዝር ናጽነት ሚድያ፡ ካብ ናይ 2021 ቅሩብ ምምሕያሽ ኣርእያ`ላ። እንተኾነ ጋዜጠኛታትን ትካላት ሚድያን ንመንግስታት ክፍለ-ግዝኣታትን ንተቓውሞታትን ናይ ዜና ሸፈነ ከይንህብ ዕንቅፋታት ይገጥመና`ሎ ዝብል መረረት የቕርቡ`ለዉ። ቤት ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ትካል ሃገራዊ ፕረስ ክለብ ላዕለወይቲ ዳይሬክተር`ያ፡፡“እዚ ነቲ ቅሉዕ ሓበረታ ምሃብ ዘፍቅድ ሕጊ ዕሽሽ ምባል ክኸውን ይኽእል ወይ ብጌጋ ምትርጓም ክኸውን ከምዝኽእል ኢና ተገንዚብና ዘለና። ሓደ ጋዜጠኛ ኣብ ሓደ ፍጻመ ክሳተፍ ዝኽእልን ዘይክእልን ምዃኑ፡ ናይ ኣተረጓጉማ ፍልልይ ዘሎ ይመስል።" ዶብ-ኣልቦ ሪፓርተራት ዝተባህለ ተሓላቒ ናጽነት ሚድያ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ናይ 2022 ሪፖርቱ ደሞክራሲ ንናጽነት ፕረስ ሓለዋ ኣብ ምዃን ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ፡ ናይ ሓሶት ወረን ፕሮፓጋንዳን እናወሰኸ ምኻዱ ግን ፡ኣብ ነጻ ሓበረታ ኣዕናዊ ሳዕቤናት የርኢ`ሎ ይብል ። ኣምባ.ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ሶማሌ በጺሓን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትረሲ ኣን ጃኮብሰን ኣብ ክልል ሶማሌ ከባቢ ጎዴ ንዝርከብ ናይ ኣመሪካ መሳለጢ ሓገዝ ደርቂ በጺሐን። ኣብ እዋን እቲ ዑደተን ምስ ናይቲ ክልል ፕረዚደንት ሙስጠፋ መሓመድ ዑመር: መሻርኽቲ ሰብኣዊ ጉዳያት ተዘራሪበን። ኣብ መዓስከር ሂግሎ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ'ውን በጺሐን። ነቲ ብኣመሪካ ዝካየድ ኣንጻር እቲ ኣብ ታሪኽ ዝኸፍአ ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ደርቂ ዝካየድ ጻዕርታት ተዓዚበን። እተን ኣምባሳደር ምስ ፕረዚደንት'ቲ ክልል ኣብ ዝተዘራረባሉ እዋን ኣብ ክልል ሶማሌ ሓዊሱ ኣብ ኩለን ክልላት ብደርቂ ንዝተተንከፉ ንምሕጋዝን ደገፍ ኣመሪካ ከም ዝቅጽል ቃል ኣትየን። ኣመሪካ ከም ዝዓበየት ወሃቢት ሰብኣዊ ሓገዝ ንደርቂ ልዕሊ 110 ሚልዮን ዶላር ከምዝሃበን እዚ 3.6 ሚልዮን ሰባት ዝወሃብ ሓገዝ ዝሕውስ ምኻኑ ገሊጸን። ኣምባሳደር ጃኮብሰን ተወሰኽቲ ለገስቲን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝልግስዎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክውስኹ ጸዊዐን። ኦቻ ዝጠፍእ ህይወት ንምድሓን ክሳብ ሰነ 275 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ከምዘድሊ ገሊጹ'ዩ። እተን ኣምባሳደር ብተወሳኺ ነቲ ብህዝቢ ኣመሪካ ዝድገፍ ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ህጹጽ ሓገዝ ዝህብን መኽዘን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከም ዝበጽሓ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር። ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ናብ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ዝላኣኽዎ ቅሉዕ ደብዳቤ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ናብ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ዝላኣኽዎ ቅሉዕ ደብዳቤ "ማሕበረ ሰብ ዓለም ሓይልታት ትግራይ ዝሓለፈ ሕዳር ካብ ጎረባብቲ ክልላት ክስሕቡ ከለው፣ ንሰላምን ህድኣትን ኢትዮጵያ ዋሕስ እዩ ምባሎም ግጉይ መደምደምታ እዩ። ሰራዊትና ናብ ማእከል ሃገር ክገብሮ ዝኽእል ገስጋስ ሎሚ’ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ’ውን" ይብል። ዶ/ር ደብረጽየን ኣብ ደብዳብ ኦም "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝርከቡን ኤርትራ ኣብ ቁልፊ ዓውድታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ኢዳ ከምዘእተወት፣ ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ’ውን ንግዝኣት ትግራይ ይቆጻጸር ከምዘሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሰላም ዘይሳነ ስለዝኾነ፣ ነዚ ሓይሊ’ዚ ምቁጽጻር ወይ ገለል ንክብል ክሳብ ዘይተገብረ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክመጽእ ዝግበር ጻዕሪ መወዳትኡ ድኻም እዩ ኮይኑ ዝተርፍ’ ኢሎም ። እቲ ደብዳብ ወሲኹ "ዕላማና እዚ ወሪዱና ዘሎ ኣዕናዊ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ምድቃስ ከምዝኾነ ንጹር ክኾን ኣለዎ። ዝኣክል ሞትን ዕንወትን ኣጋጢሙ እዩ። እንተኾነ፣ ተኣማኒ መስርሕ ሰላም ክሳብ ዘይተተግበረ፣ ዜጋታትና ብጥምየትን ክንከላኸሎም ብንኽእል ሕማማትን እናሞቱ ክንሪኢ ድልየትና ኣይኮነን። ስለዚ፣ ሰላማዊ ኣገባብ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ፣ ንትግራይ ምድራዊ ሲኦል ገይሩዋ ንዘሎ ዕጽዋ ንምፍንጻሕ ካልእ ኣማራጺ ንክንጥቀም ክንግደድ ኢና" ይብል። No media source currently available ቀርኒ ኣፍሪቃ፤ ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ሓደጋ ደርቂ የንጸላሉዎ ኣብቲ ንኣርባዕተ ተደራሪቢ ናይ ዝናብ ወቕታት ዝተጓናደቦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ጥሜት የንጸላሉዎም ምህላዉ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ። ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እቶም ሓደጋ ደርቂ ዘንጸላልወን ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ብቐንዱ ድማ በቲ ጥሜት ተጠቒዓ ዘላ ሶማልን እየን። ዝናብ ዝጅምረሉ እዋናት ሕጂ’ውን ብምብኳሩ እቲ ሓደጋ እናበኣሰ ከም ዝኸይድ ፕሮግራም መግቢ ዓለም የጠንቅቕ። ኣብ ኢትዮጵያ ድሮ ንኣስታት 7.2 ሚልዮን ህዝቢ ጸልዩ፡ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀና ከብቲ’ውን ቀቲሉ ኣሎ። ኣብ ኬንያ ብተመሳሳሊ ንኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ድርኵኺት ዓጸቦ ከቓልዖም እንከሎ፡ ብመሰረት ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ሶማል ብዝሒ በዚ ደርቂ ዝተጸልዉ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚልዮን በዚሖም ኣለዉ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣስታት 40% ናይ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሶማል ምዃኑ’ዩ። ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ማይክል ዳንፎርድ ነቲ ዘሎ ሻቕሎት ክገልጾ እንከሎ፡“እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ ዘሎ። መሊሱ እናገደደ ድማ ይመጽእ ኣሎ። ምናልባት ዝናብ እንተ ሃረመ ኢልና ኢና ብተስፋ ንጽበ ዘሎና። ዋላ’ውን ዝናብ እንተ ሃረመ፡ እቲ ህዝቢ ድሮ ተዳኺሙ’ዩ። መዕቆሪ ማይ የሎን፡ መጓሰ በቲኸን’የን፡ ዘራእቲ ድማ ሃጒጉ። ከም ገለ ጌርና ክንመልሶ እንተ ዘይክኢልና ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ’ዩ ዘንጸላሉወና ዘሎ”። ንሱ ወሲኹ ህጻናት ብሰንኪ ዓጸቦ ይሞቱ ምህላዉ’ውን ይጠቅስ። ንሰበ-ስልጣን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝያዳ ኣሻቓሊ ኰይኑ ዘሎ፡ እቲ ዝድለ መጠን ገንዘብ ከዋህልሉ ዘይምኽኣሎም’ዩ። ነቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምግጣም 370 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣሚቶም ኣለዉ። ካብኡ ግን 13% ጥራይ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ። ወራር ዩክሬን ንቅልውላው ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ከም ዘግደዶ ዳንፎርድ ይዛረብ። ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ፡ ካብ ዩክሬንን ሩስያን ዝመጽእ ዝነበረ ቀረባት መግቢ ድማ ደው ምባሉ ድማ ዓቢ ጋግ ከም ዝፈጠረ ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቀርኒ ኣፍሪቃ ይሕብር። ድሃይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ዋሽንግተን — ማይ ዓይኒን ዓዲ-ሓርሽን ኣብ ዝብሃላ ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ዝረከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንጥምየትን ግፍዕን ተቓሊዖም ከምዘለዉ ብዝተፈላለዩ ዓለም-ለኻዊ ትካላትን ዘቤታዊ ማሕበራትን ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ። ኣብዚ ሰዓት`ዚ ካብቶም ስደተኛታት ፡ ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተደኮነ ሓዲሽ መዓስከር ዳባት ብብዝሒ ኣብ ዝሰግርሉ ዘለውሉ እዋን፡ ኣብኡ`ውን ከምዘይጠዓሞምን እኹል ትኹረት ከምዘይረኸቡን`ዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንሎሚ ኣብ ምሕጋዞም ካብ ዝነጠፋ ማሕበራት ንኽልተ ተወኪስና`ለና። መስራቲ `ሱርባና` ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማሕበር ኣቶ ጆርጆ ገብረስላሰ፡ ኣተሓባባሪ `ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ` ኣቶ ሃብተኣብ እዮብ ድማ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ሓበረታ ከካፍሉ'ዮም። ክልል ትግራይ ሓገዝ ኣይቀጸለን ይብል ድሕሪ ክልተኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተዋ ብዝሒ ረድኤት ዝጻዓና መካይን 26 ጥራሕ ከምዝኾና ሓላፊት ቢሮ ርክብ መንግስቲን ህዝብን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ገሊጸን። ንሰን ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበኦ መግለጺ "ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት’ውን እንተኾነ ረድኤት ኣብ ትሕቲ ቅድመ ኩነታት ክኣትው ዘይግባእ እዩ" ኢለን። ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ንጸብጻባት ተሓለቕቲ መሰላት ይምልሱ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ዝዀነ ጸብጻብ ተሓለቕቲ ትካላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን ህዩማን ራይትስ ዎችን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኣትሪሩ ኰኒኑዎ ኣሎ። ነተን ክልተ ትካላት ንዝገበረኦ ፈተነ ብምምስጋን ዝጀመረ መግለጺ፡ እቲ ውጽኢት ግን “ካብ ሓቂ ዝረሓቐ፡ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ኣብ ኣተኣኻኽባኡ ድማ መሰረታዊ ስሕተት ዘለዎን” ክብል ገሊጹዎ ኣሎ። ቀንዲ ተሓታቲ ናይቲ ዝወረደ ዕንወት፡ ንመሬት ኣምሓራ ካብ ፈለማ 1990ታት ኣትሒዙ ብምሓዝ ግፍዒ ከውርድ ዝጸንሐ መሪሕነት ህወሓት’ዩ ክብል ድማ ከሲሱ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ክልል ትግራይ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ኣቢሉ ዓርቢ ኣማስያኡ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ንውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ድሕሪ ምምጓስ፡ እቲ ክልል ካብ ብሸዓኡ ናጻ ምጽራይ ንምግባር ክጽውዕ ዝጸንሐ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ኣርባዕተ ገጻት ዝሓዘ ጽሑፍ ከም ዝጠቕሶ፡ ኣቐዲሙ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተገበረ መጽናዕቲ ነቲ ዝተገብረ ግፍዒ ንምሽፋን ምዃኑ የመልክት። እቲ መግለጺ ወሲኹ ድማ፡ ናጻ ኣጻራዪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ክምዝዝ ደጋጊሙ ከቕርቦ ዝጸንሐ ምሕጽንታ ነዚ ክንድዚ ዝመስል ርኽበታት ንምምርማር ምዃኑ ሓቢሩ። ሕጂ’ውን ንዝያዳ ዘይሻራዊ ምጽራይ ዝጸውዐ መግለጺ፡ ክንዮ ምዅናን ዝኸይድ ቅልጡፍ ስጕምቲን ምልዓል ዕጽዋን ክግበር ኣተሓሳሲቡ። ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓገዝ ናብ ትግራይ ኣይበጽሐን፣ መንግስቲን ክልልን ንሓድሕዶም ይወናጀሉ ድሕሪ ክልተኣዊ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምእታዉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕንቅፋት ኰይኖም ኢሉ ይኸስስ ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 40 መካይን ጽዕነት ካብ ሰመራ ክብገሳ መደብ ነይሩ። ከም መግለጺ መንግስቲ ግን ሓይልታት ትግራይ ንኸባቢ ኣብዓላ ተቖጻጺሮሞ ብምህላዎም ክጓዓዛ ኣይከኣላን። ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ መብጻዕኡ ከም ዘይሓለወ ከሲሱ ኣሎ። ብዛዕባ’ቲ ምዕጋት መገዲ ኣመልኪቱ ግን፡ ብወገን ክልል ትግራይ ብፍሉይ ዝተጠቕሰ ሓበሬታ የሎን። ካብ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ ዝዀነ ፕሮፈሰር ክንዲያ ገብረሂወት ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታን ኣብ ትዊተር ዝዘርግሑዎ ጽሑፍን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዘሎ ተዋቓዒ ስጕምታት ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር’ዩ ክብሉ ከሲሶም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳድር ትረሲ ጃኮብሶን ነቲ ኵነታት ብቐረባ ንምዕዛብ ናብ ክልል ዓፋር ተጓዒዘን። እተን ፈጻሚት ጉዳያት ኣብ ዑደትን ምስ ፕረዚደንት ክልል ዓፋር ኣዎል ኣርባን ካልኦት መራሕቲ ኮማትን ከም ዝተራኸባ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣምባሳድር ትረሲ ኣብ ግዜ ናይ ዓፋር ዑደተን፡ ኣመሪካ ንሰብኣዊ ሓገዝ እቲ ክልልን ካልእን ዝውዕል፡ ናይ 90 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክግብር ምዃኑ ሓቢረን ኣለዋ። ክልል ኦሮሚያ፤ ዓሰርተታት ዜጋታት ብዕጡቓት ይቕተሉ ካብ ክልል ኣምሓራ ምዃኖም ዝተጠርጠሩ ዕጡቓት፡ ኣብ ልዕሊ ሚሊሻ ክልል ኦሮሚያ ጽዒና ዝነበረት ቃፍላይ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት 26 ሰባት ብምቕታል ካልኦት 15 ድማ ኣቝሲሎም። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ብሰሉስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ካብ ኣዲስ-ኣበባ ኣስታት 170 ኪሎ-ሜተር ንደቡባዊ ምብራቕ ርሒቓ ኣብ እትርከብ፡ ኮርከ እትብሃል ከተማ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ነቶም ኣስታት 100 ዝዀኑ ሚሊሻ እቲ ክልል ዒላማ ዝገበረ’ዩ። ኣመሓዳሪ ናይቲ ከባቢ ኣቶ ፍሬዘር ኣበራ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ብሸውዓተ መካይን ዝመጹ ኰይኖም፡ ከምዚ ዝመስል “ውሁድ መጥቃዕቲ ክፍጸም ናይ ፈለማ ተርእዮ" ምዃኑ ጠቒሱ። ብወገን ግዳያት ስድራቤት እቲ መጥቃዕቲ፡ ፈጸምቱ ኣባላት ሚሊሻ ፋኖ ኢሎም ክኸሱ እንከለዉ፡ እቲ ሚሊሻ ስሩዕ ቅርጺ ስለ ዘይብሉ ግን ግብረ-መልሲ ንምርካብ ኣይተኻእለን። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ካብ ወሃብ-ቃል ክልል ኣምሓራ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከም ዘይሰለጦ ኣመልኪቱ ኣሎ። ጽልዋን ኣበርክቶን ቀዳሞት መራሕቲ ደቀንስትዮ ብኣዒንቲ መንእሰያት ነጥፍቲ ቅድሚ ውሑድ መዓልታት ዝሞታ ቀዳመይቲ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምርኵስ ብምግባር ንጽልዋ ክልተ ዓበይቲ ፖለቲካውያን መራሕቲ ክንርኢ ኢና። ፌሩዝ ቐይሲ ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ከምኡ’ውን ማአዛ ግደይ ካብ ኣመሪካ’የን። ክልተአን ኣብ ማሕበረኮማተን ንጡፋት ኣባላት ኰይነን፡ ንተራን ኣበርክቶን ማድሊን ኦልብራይትን ማርጋረት ታቸርን ምርኵስ ዝገብረ ዕላል ኣካዪድና ኣሎና። ሰነት ኣመሪካ ገለ ምምሕያሻት ብምክያድ ንረቂቕ ሕጊ S.3199 ኣሕሊፉዎ ብኣመሪካዊ ሴነተር ሮበርት መነንደዝ ተኣሚሙ፣ ሎሚ ናብ ውሳነ ሰነት ዝቀረበ S.3199 “ሰላምን ደሞራሲያዊ መስርሕን ኢትዮጵያ 2021” (Ethiopia Peace and Democracy Promotion Act of 2021) ዝተሰምየ ረቂቅ ሕጊ፣ ሎሚ ኣብ ዘርፈደ መጋብኣያ ሰነት ኣመሪካ ገለ ምምሕያሻት ተገይሩሉ ሓሊፉ ኣሎ። እቲ ረቂቅ ንክሓልፍ ዝድግፉ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሰነት ድምጾም ከምስዑ ውዒሎም ኣለው። "ፍትሒ ንሓትት፣ልዕሊ 500 መዓልታት ዘቑፀረ ኲናት ይኣክል፣ን S.3199 ንድግፍ" ዝብሉ ጭርሖታት ብምስማዕ ኢትዮጵያዊያንን ኢትዮጵያዊያን ኣመሪካዊያንንን ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ሰኔት ህንፃ ድምፆም ኣስሚዖም። ካብ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ብተወላዶ ትግራይ ዝተዳለወ ሰልፊ ዝኾኑ ኣቶ መስፍን ኣየነው እቲ ሕጊ ኲናት ደው ንምባል ዝጠቅም እዩ ይብሉ። ካብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝተኣኻኸቡ ሰልፈኛታት ኣብዚ ኣዚዩ ቆራር ትሕቲ ዜሮ ድግሪ ሴንት ግሬድ ኣብ ዝኾነ መዓልቲ እዮም ድምፆም ኣስሚዖም። ካልኦት ሰልፈኛታት እውን ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ክስማዕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ተፈጺሙ ኢሎም ዝገለፁዎ ጠጠው ክብል ፀዊዖም።እቲ ሕጊ ተሓታትነት ዘረጋግፅ ስለዝኾነ ንምድጋፍ ኢና ወፂኢና ዘለና ኢሎም። ትማሊ ድማ እቲ ሕጊ ነታ ሃገር ይኹን ንህዝቢ ዝጎድእ ስለዝኾነ ክፀድቕ የብሉን ክብሉ ኣብ ፊት ንፊት ካፒቶል ሂል ድምፆም ኣስምዖም እዮም። ንዝርዝር ትሕዝቶ'ቲ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ከነቕርቦ ምዃንና ንገልጽ። No media source currently available ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣንጸባራቒ ዓወት ይሓፍሱ ኣካል ናይቲ ፍለሚሽ ዎርልድ ቱር ክላሲክ (Flemish World Tour classic)ዝኾነ፡ ንሓንቲ መዓልቲ ዝካየድ ብሰንበት 27 መጋቢት ኣብ በልጅዩም ዝተቓንዐ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ፡ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ብምውጻኡ፡ ኣብቲ ዓቢ ክብሪ ዝወሃቦ ውድድር ዝተዓወተ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳሚ ብምዃኑ ታሪኽ ሰሪሑ። ኣብቲ 248 ኪሎ-ሜተራት ዝሸፈነ ውድድር ገንት-ዊቪልኻም (Gent–Wevelgem)፡ ምስ ጋንታ ኢንተርማሸ ተሰሊፉ ዝወዳደር ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም፡ ምስታ እቲ ውድድር ንኽዛዘም 24 ኪሎ-ሜተር ምስ ተረፎ መሪሓ ዝነበረት ቀዳሞት መራሕቲ ጕጅለ ክጓዓዝ ድሕሪ ምጽናሑ’ዩ፡ ኣብ ከባቢ 250 ሜትሮ ብዝፈነዎ ሓያል መጥቃዕቲ ነቲ ብድሕሪት ኰይኑ ክኽተላ ዝጸንሐ ጕጅለ ቀዲሙ ተዓዊቱ። ካብ 1934 ኣትሒዙ ዓመታዊ፡ ሰሙን ቅድሚ ውድድር ዙር ፍላንደርስ ዝካየድ ውድድር ገንት-ዊቪልኻም፡ ቢንያም ምዕዋቱ ንነብሱ’ውን ልዕሊ ትጽቢትን ምዃኑ ድሕሪ’ቲ ውድድር ተዛሪቡ። ካብ ቅድድም ብሽክለታ ከይወጻእና፡ ኣብቲ ኣብ ሻርማ-ሼክ ግብጺ ክካይድ ዝቐነየ ውድድር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ብውህሉል ናይ ግዜ ሰሌዳ ኤርትራ ብጋንታ ደቂ-ተባዕትዮ ቀዳመቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ሄኖክ ምሉእብርሃን ድማ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኰይኑ ነቲ ውድድር ዛዚሙዎ ኣሎ። በዚ መሰረት ንዝሓለፈ 10 ተኸታተልቲ ዓመታት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሻምፕዮን ናይዚ ውድድር ንምዃን በቒዖም ኣለዉ። ኣብቲ ውድድር ሃገራውያን ጋንታታት ደቡብ-ኣፍሪቃን ኣልጀሪያን፡ ንኤርትራ ስዒበን ካልኣይቲን ሳልሰይቲን ወጺአን ኣለዋ። ኣብቲ ካብ 22 ክሳብ 27 መጋቢት ኣብ ምስሪ ሻርም ኣሽኽ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ቅድድም ኣፍሪቃ ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ብ7 ወርቂ፡ 6 ብሩርን 2 ነሓስ ብድምር ብ15 መዳልያታት እያ ጎብለለ ኣፍሪቃ ክትከውን ክኢላ።። ቀዳም 26 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ ናይ ጽርግያ ውድድር ከኣ ኤርትራዊ ዮኤል ሃብተኣብ ብተመሳሳሊ ተዓዊቱ። ኣብዚ ንሽዱሽተ መዓልታት ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ምስሪ፡ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ሩዋንዳ፡ ኣልጀሪያ፡ ሞሪሸስ፡ ሞሮኮ፡ ማሊ፡ ቱኒዝያ፡ ዩጋንዳ፡ ናሚብያ፡ በኒን፡ ቡርኪናፋሶን ናይጀሪያን ተሳቲፈን ኔረን። ሰልፊ ተማሃሮ ብሓይልታት ጸጥታ ምብታኑ ማሕበር ተማሃሮ ክልል ኣምሓራ ገሊጹ ኣብ ናይዚ ዓመት'ዚ ውጽኢት ሃገራት ፈተና 12 ክፍሊ ቅሬታ ዘለዎም ተማሃሮ ቅሬትኦም ብሰልፊ ንምስማዕ እንተወፁ እውን ኣብ መብዛሕቲኦም ከተማታት ክልል ኣምሓራ ብሓይልታት ፀጥታ ከምዝተበተነ ማሕበር ተማሃሮ'ቲ ክልል ገሊፁ። ብተወሳኺ ሸውዓተ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ማሕበር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዝነበሩን ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ግን ኩሎም ከምዝተፈትሑን ናይቲ ማሕበር ቤት ፅሕፈት ንድምፂ ኣሜሪካ ገሊፁ። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ይበጽሑ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዳቪድ ሳተርፊልፍ (David Satterfield) ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ግብረ-ሰናይ ትካላትን ንምዝርራብ ኣብ ኢትዮጵያ ብ21ን 22ን መጋቢት ናይ ስራሕ ዑደት ከም ዝገበሩ ካብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ከም ሓበሬታ እቲ ዜና፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰገርን ኦባሳንጆን ሓላፊ ፖለቲካ፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ባንኮለ ኣዶየ(Bankole Adeoye) ከም ዝተራኸቡን ሓቢሩ ኣሎ። ዕላማ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ንጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘመልከተ ምዃኑ እንተተሓበረ'ዃ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት ድሕሪ ዘካየዱዎ ርክብ ዝወጸ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ዛጊት የሎን። ኣብ ኦጋዴን ዘሎ መጠን ነዳዲ ንምጽናዕ ኣብ መንጎ ኣመሪካዊ ኩባንያን ኢትዮጵያን ስምምዕ ተፈሪሙ ኣብ ኢትዮጵያ ኦጋዴን መጠን ዘሎ ነዳዲ ንምጽናዕ ኣብ መንጎ ሚንስትሪ ዕደና ኢትዮጵያን ኣመሪካዊ ኩባንያ ኔዘርላንድስ ውዕል ከምዝተፈራረሙ ተፈሊጡ። ኣብ’ቲ ስነ ስርዓት ምፍርራም፣ ፈጻሚት ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣምባሳደር ትሬሲ ጄኮብሰን ተረኺበን ከምዝነበራን "እቲ መጽናዕቲ፣ ንቁጠባ ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ዝህልዎ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ቁጠባዊ ምትእስሳር ከምዘሓይልን" ገሊጸን። ብመሰረት’ቲ ስምምዕነት፣ እቲ ኣመሪካዊ ኩባንያ፣ ኣብ 3500 ስ.ኪ.ሜ ክፍሊ ኦጋዴን፣ ቅድሚ ሎሚ ዝተሰርሑ ዳህሳሳትን ውጽኢትን ተመርኩሱ፣ ስርሑ ከምዝፍጽምን፣ ቅድሚ ሎሚ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ ዘካየደ ቻይናዊ ኩባንያ ከምዝነበረን ወኪልና ዝላኣኾ ሪፖርት ሓቢሩ። ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ቆቦ ዝርከቡ ሰባት ጸገም መግብን መሰረታዊ ቀረብን ከምዘሎ ይገልጹ ካብ ክልል ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ሰሜን ወሎ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ከተማ ቆቦ ተዓቑቦም ዝርከቡ ሰባት መግብን መሰረታዊ ቀረባትን ከምዝተፀገሙ ገሊፆም። ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ፀገም መግብን ጸጥታን ናብ ቆቦ ምእታዎም ካብ ዝጅመሩ ክልተ ሰሙናት ኣቑጺሮም ኣለው። ፖሊስ ወረዳ ራያ ቆቦ ካብ ክልል ትግራይ ዝመፁ ተመዛበልቲ ብዝሖም ይውስኽ ምህላው ስዒቡ ገበን ኣብ ናይ ምክልኻልን ፀጥታ ናይ ምስፋንን ስርሑ ተፅዕኖ ከምዘሕደሉ ብምግላፅ ናይቲ ክልልን ፌደራልን መንግስታት ንተመዛበልቲ ናብ ካልእ ቦታ ከንቀሳቕሶም ሓቲቱ ኣሎ። ኣቦ መንበር ኦፌኮ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ ገዛ ማሕዩር ከፊል ምንቅስቃስ ከምዝተፈቐደሎም ይግለጽ'ሎ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ ገዛ ማሕዩር ትማሊ ኣብ ኣደባባይ ከምዝተራእዩ ይግለጽ ኣሎ። እንተኾነ ኦፌኮ ሕጂ'ውን ካብ ክትትል ኣባላት ጸጥታ ናጻ ኣይኮኑን ኢሉ'ሎ። ኣቶ ዳውድ ትማሊ ኣብ ኣደባባይ ዝተራእዩ ኣብ ናይ ሰልፎም ኣኼባ ንምስታፍ ምዃኑ ንድምጺ ኣመሪካ ዝገለጸ ወሃቢ ቓሎም ኣቶ ዋቆ ኖሌ፡ ብናጻ ክንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊኦም ዝተነብረ ደረት ኣይተላዕለን ኢሎም። እቲ ምፍቃድ ከፊል ምንቅስቓስ ዝስማዕ ዘሎ፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ናብ ኮሚሽን ፖሊስን ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ምድራቱ ኣገባብ ኣይኮነን ብዝብል ናጻ ክኾኑ ድሕሪ ምሕታቱ`ዩ። እንተኾነ ኣቶ ዋቆ ሕጂ`ውን ብስልኪ ኮነ ምስ ብጾቶም ብናጻ ክራኸቡ ኣይክኣሉን ይብል ። ብዛዕባ`ዚ ቪኦኤ ካብ ፖሊስ ኮነ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ርኢቶ ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብኻልእ ወገን፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንመርሓ ቦርዱ ተኸቲሉ ዘሰጉሞ ዘሎ ጉዳይ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት`ዩ ክብል ኣወንታዊ ርኢትኡ ኣስሚዑ`ሎ፡ ከም ጸብጻብ ጸሃይ ዳምጠው። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብርቱዕ ደርቂ የንጸላሉ ምህላው ትካል ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ ዓለምለኸ ትካል ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከቢድ ደርቂ የንጸላሉዎ ከም ዘሎ ድሕሪ ምምልካት፡ ብሰንኩ ኣብ ሶማል ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ምምዝባሎም ኣመልኪቱ። እቲ ኮሚተ ኣብ መግለጺ፡ በቲ ደርቂ ብዝኸፍአ ትጠቒዓ ኣብ ዘላ ሶማል፡ ካብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 670-ሽሕ ሰባት ምምዝባሎም ኣመልኪቱ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብቲ ዝኸፍአ ወገናት ማእከላይን ደቡባዊ ምብራቕን እታ ሃገር፡ ብሰንኪ ዘሎ ኲናት ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ስለ ዘይከኣል፡ ነቲ ሓደጋ ከም ዘጋድዶ ይሕብር። ዜጋታት ማይን መግቢ ንምርካብ ብእግሮም ኣብ ዝጓዓዙሉ ኣብ መገዲ’ውን ይሞቱ ከም ዘለዉ ዘመልከተ ጸብጻብ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል፡ ህጹጽ ሓገዝ ንምግባር ይጽዕር ደኣ ይሃሉ እምበር፡ መጠን ተበጻሕነት ግን ነቲ ዘሎ ሓደጋ ክዳርጎ ከም ዘይክእል ሓቢሩ። ትንተና: ውሳነ ኤርትራ ኣብ ምዂናን ሩስያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ መጋቢት 2,2022 ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ንወራር ሩስያ ዝኹንን ፡ ሰራዊታ ካብ ግዝኣት ዩክሬን ክትስሕብን ዝጽውዕ ንድፈ-ውሳነ ንድምጺ ኣቕሪቡ ኔሩ። ዝበዝሓ ክድግፍኦ ከለዋ፡ ኤርትራ ትርከበን ሓሙሽተ ሃገራት ኣንጻሩ ኣድሚጸን፡ 35 ሃገራት ድማ ንዘይምድጋፍን ንዘይምቅዋምን ድምጸን ዓቂበን። ንምዃኑ፡ ኤርትራ ዝሃበቶ ድምጺ ካብ ምንታይ ዝብገስ`ዩ፡ እንታይ መልእኽቲ ወይ ሳዕቤን`ከ ይህልዎ ዝብል ሕቶ ኣልዒልና ንኣቶ ኣልኣዛር ኣብርሃም ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ዓለምለኸ ዝኽሪ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንቀራቕሮ ንዓለምለኸ መዓልቲ ደቀንስትዮ (መጋቢት 8) ብዝምልከት ኣብ መቐለ ዝርከብ መዓስከር ተመዛበልቲ ብምጓዓዝ ኣብቲ ቦታ ንዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ኣዘራሪብና ኣለና። ጉጅለ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ፖላንድን ዩክሬን ከምዘሎ ተሓቢሩ ኣብ በርሊን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፣ ብምኽትል'ቲ ተልእኾ ዝምራሕ ጉጅለ ናብ ዶብ ፖላንድን ዩክሬን ብምኻድ ካብ ኲናት ዩክሬን ሃዲሞም ዶብ ንዝሰግሩ ኢትዪጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያን ከምኡዉን ደገፍ ንዝደልዩ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ይሕግዝ ከምዘሎ፣ ኣብ ጀርመን፣ ፖላንድ፣ ሪፑብሊክ ቼክን ስሎቫክን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሙሉ ሰሎሞን ገሊጸን። ኣብ ዩክሬን ፣ ፖላንድ፣ ሃንጋሪ፣ ሩማንያን ስሎቫክን ዝርከቡ ሓገዝ ዝደልዩ ሰባት፣ በዞም ስዒቦም ተጠቂሶም ዘለው 49-176-7269-0994 ወይካኣ 49-176-8334-3348 ቁጽሪታት ቴለፎን፣ ነታ ጉጅለ ክረኽቡዋ ከምዝኽእሉ’ውን እተን ኣምባሳደር ገሊጸን። እተን ኣምባሳደር ወሲኸን፣ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዶብ ክሰግሩ ዝደልዩ ኣፍሪቃውያን፣ ኣድልዎ ከምዝፍጸሞምን፣ ኣብ ዶብ ብወገን ዩክሬን፣ ንበይኖም ክጸንሑ ዝግበረሉ መዓስከር ከምዝተሰርሐን ዝገልጽ ሐበሬታ ከምዘሎ ገሊጸን: ኣብ ሕብሪ ቆርበት መሰረት ዝግበር ኣተሓሕዛ ፈጺሙ ተቀባልነት የብሉን ኢለን'ለዋ። ነቲ ጉዳይ'ውን ናብቶም ኣብ በርሊን ዝርከቡ ኣምባሳደራት 48 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝወስደኦ ሓቢረን። ሱዳን ምጅማር ምምንጫው ኤሌክትሪክ ሓጽቢ ህዳሴ ንዓለምለኸ ስምምዕ ዝጥሕስ'ዩ ክትብል ትከስስ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ንምምንጫው ሓይሊ ኤለክትሪክ ሓጽቢ ህዳሴ ብምጅማር በይናዊ ስጉምቲ ምውሳዳ ንዓለምለኸ ስምምዕ ጥሒሳ ክትብል ከሲሳ። ኣባል ተዓዛባይ ጉጅለ ሱዳን ዝኾነ ዑማር ካመል: ሱዳን ንምምላእ`ቲ ሓጽቢ ንኹሉ በይናዊ ስጉምትታት ክትቃወሞ ጸኒሓ`ያ ይብል ። ግብጺ`ውን ነቲ ምጅማር ምምንጫው ኤለክትሪክ ሓጽቢ ህዳሰ ትማሊ ሰንበት ብተሪር ተቓዊማቶ`ያ።\n\nሱዳን እቲ ፕሮጀክት ንዓመታዊ ሓደጋ ውሕጅ ከረጋግኣላ ተስፋ ትገብር`ኳ እንተኾነት፡ ናይ ባዕላ ዲጋታት`ውን ከይጉድኡዋ ስክፍትኣ ትገልጽ። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ክሳተፉ'ዮም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ንምስታፍ ሎሚ ሰሉስ ብራስልስ ምእታዎም ተሓቢሩ። ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዝጅምር ፈላማይ ምብጻሕ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዘካይዱ ዘለው ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንትቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ቻርልስ ሚቸል ተራኺቦም ምዝርራቦም ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዘውጽኦ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ። ቀ/ሚ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ "ኣብቲ ናይ ሕብረት ኣውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ጉባኤ ንምስታፍ ኣብ ዝርከበሉ ምስ ናይ ቀደም ፈታውየይ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ኣውሮጳ ቻርልስ ሚሸል ብምርኻብ ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮጳን ከምኡ'ውን ኣብ ካልኦት ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ተዘራሪብና ኣለና" ኢሎም።ፋይል ውድብ ጥዕና ዓለም ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ቀረብ ምብጻሕ ከምዘይተከአለ ይገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ፣ ኣዝዮም ኣገደስቲ ሕክምናዊ ቀረባት ኣብ ምብጻሕ ዕንቅፋት ኮይኑ'ሎ ይብል። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ፣ብዘይካ ንክልተ ናይ ጽዕነት መካይን ንወፍሪታት ሰብኣዊ ረድኤት ዝውዕል ነዳዲ ናብ ክልል ትግራይ ንምእታው ኣይተፈቀደን ጸኒሑ ይብል ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝረኸብናዮ ዜና። ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ክልል ትግራይ፡ ምስ ጠቕላሊ ቤት-ምኽሪ እስልምና ኢትዮጵያ ዝነበሮ ዝምድና ከም ዝበተኸ ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ናብ’ዚ ውሳነ’ዚ ዝበቅዐ ድሕሪ ትማሊ ሰኑይ ዘካየዶ ኣኼባ ከምዝኾነን፣ ደጊም ናጻ ኮይኑ ከምዝሰርሕን ገሊጹ። ፕረዚደንት'ቲ ቤት ምኽሪ ሸኽ ዓብደልቃድር ጁሃር ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ "ናብ’ዚ ውሳነ’ዚ ዝተበጽሐ፣ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና፣ ኣብ እዋን ስቃይ ኣመንቲ እስልምና ተጋሩ ኣብ ጎንና ደው ስለዘይበለን ንዝተፈጸሙ ግፍዒታት ስለዘይኾነነን'ዩ" ይብሉ። ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ንድፊ ሕጊ ኣሕሊፉ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ፣ ‘ህድኣት፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ንኢትዮጵያ’ ዝብል ሓድሽ ንድፊ ሕጊ ትማሊ ሰሉስ ኣሕሊፉ። እቲ ሓሙሽተ ነጥቢታት ዝሓዘ ንድፊ ሕጊ፣ ብቤት ምኽሪ ኣመሪካ እንተጸዲቁ፣ ውግእ ሕድ ሕድ ኢትዮጵያ መታን ከብቅዕ፣ ንምምሕዳር ኣመሪካ ተወሳኺ ስጉምቲ ንክወስድ ስልጣን ዝህብ እዩ። እቲ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዘሕለፎ ንድፊ ሕጊ፣ ንውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዘጋድዱ እገዳ ንክንበረሎም፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይልገሰሉ ዝነበረ ደገፍ ድሕነትን ፋይናንስን፣ ክሳዕ ንጠለባት ሰብኣዊን መሰላትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ዘማልእ ንክቋረጽ ይሓትት። ሕ/ሃ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ገበን ኹናት፣ ገበን ሰብኣዊነትን ከምኡ'ውን ተኽእሎ ጅምላዊ ህልቂትን ዝምልከት ሰነድ ከምዘለዎ እቲ ንድፊ ሕጊ ይገልጽ። ሓሙሽተ ኣዕኑድ እቲ ንድፊ ሕጊ፣ 1ይ፣ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ንዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ውጥን ንክሕንጽጽ፣ ፈጸምቲ ግፍዒ ክሕተቱ፣ ናይ ጽ ል ኢ ዘረባ ንዘቃልሑ ክምክቶም፣ 2ይ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ልዝብ ከይካየድን ውግእ ንከየብቅዕን ዝዕንቅፉ: ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንዝፈጸሙ:ብልሽውና ዘጋድዱ ሰባት እገዳ ከንብረሎም፣ 3ይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መጥቃዕቲ ክሳብ ጠጠው ዘብል፣ ሃገራዊ ልዝብ ክሳብ ዘሳልጥ፣ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ ዘኽብር፣ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዕንቅፋት ንክቀርብ ክሳብ ዝፈቅድን ተፈጺሞም ዝባሃሉ ገበናት ኹናት ክሳብ ዘጻሪን፣ ካብ ኣመሪካ ዝልገሰሉ ዝነበረ ናይ ድሕነት ደገፋት ንክቋረጽ፣ 4ይ፣ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ውግእ ንከብቅዕ ክሳዕ ዝሕግዙን ሰብኣዊ መሰላት ክሳብ ዘኽብሩን፣ ካብ ባንኪ ዓለምን ዓለምለኸ ትካል ገንዘብን ንዝረኽብዎ ሓገዝ ገንዘብ መንግስቲ ኣመሪካ ንክቃወም፣ 5ይ፣ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነት፣ ገበን ኹናትን ጅምላዊ ህልቂትን ‘ተፈጺሙ ወይ ኣይተፈጸመን’ ናብ ዝብል መደምደምታ ንክበጽሕ እቲ ንድፊ ሕጊ ወሲኑ ኣሎ። ካብ ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዝረኸብናዮ መግለጺ ነቲ ንድፊ ሕጊ ናብ’ቲ ኮሚቴ ካብ ዘቅረቡ ሓደ ቶም ማሊኖውስኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ፣ ኣብ ዓለምና ሓደ ካብ’ቶም ዝበርትዑ ውግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ክጠቅሱ ከለው፣ ብጻዮም ያንግ ኪም ድማ ከቢድ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ፣ ንኣሻሓት ሰለማዊያን ሰባት ከምዘፈናቀለ፣ ንሚልዮናት ግዳያት ጥምየት ከምዝገበረን፣ ጠንቂ ካልኦት ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሮም ይብል ። እዚ ብኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝቐረበ ንድፊ ሕጊ ቅድሚ ምትግባሩ፣ ብክልቲኦም ባይቶታት ኣመሪካ (ብቤት ምኽሪን ብሴነትን) ክጸድቅ ይግባእ። ክኢላታት ቴክኖሎጂ፡ ኢትዮጵያ ድሮናት ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተጠቕመት ይገልጹ፣ ሻቕለቶም የካፍሉ ብመሰረት ሳተላይታዊ ኣሳእል፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ቻይና፣ኢራንን ቱርክን፣ ኣብ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ጥቕሚ ይውዕላ ከምዘለዋ ተረጋጊጹ ኣሎ። ብመሰረት እዚ፣ ቀተልቲ ፍርያት ቴክኖሎጂ ኣብ እዋን ውግእ ኣብ ጥቅሚ ምውዓሎም፣ ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎም ኪኢላታት ይዛረቡ። ብሰንኪ ኣብ ውግእ ሕድ ሕድ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጥቅሚ ይውዕላ ዘለዋ ድሮናት ዝፈጸመኦ ደብዳብ፣ እቶም ዳሕረዎት ግዳያት፣ ሰራሕተኛታት እንዳ መጥሓን ኮይኖም ኣለው። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ 18 ሰላማዊያን ሰባት ተቀቲሎም። መዓስከር ስደተኛታትን ተፈናቀልቲን ከይተረፉ ከምዝተደብደቡ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንዝሓለፉ15 ኣዋርሕ እተን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተሰርሓ ድሮናት ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ተጠቂሞምሎም እዮም። ብርክት ንዝበሉ ግና፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ይወርድ ዘሎ ጉድኣት ብምርኣይ፣ ረብሓ ድሮን’ዳኣ እንታይ እዩ ኢሎም ንክሓቱ ደሪኽዎም ኣሎ። ንወትሃደራዊ ቴክኖሎጂ ዘጽንዕ ዊም ዝውይን "ወትሃደራዊ ይኹን ካልእ ውሽጣዊ ብድሆታት ዘጋጥመን ሃገራት፣ ንኣብነት ኢትዮጵያ ክስዕባ ይኽእላ’የን" ዝብል ሻቅሎት ኣለዎ። ሙሉእ ዕጽዋ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዋላ’ውን እንተተግበረ ዓለምለኸ ኪኢላታት፣ ኣብ ትግራይ ደብዳብ ዝፍጽማ ድሮናት ኣበይ ደብዳብ ከምዝፈጸማን ዓይነት እተን ድሮናትን ንምንጻር ኪኢሎም ኣለው። ካብ ጎረቤት ኤርትራ ድዩ ወይስ ካብ ሕቡራት ዓረብ ኢመረት፧ ካበይ ከምዝብገሳ’ውን ክፈልጡ ይኽእሉ እዮም። ብመሰረት’ዚ፣ ኢራን ሰራሕ ማሃጅር ሽዱሽተ ድሮናትን ቻይና ሰራሕ ዊንግ ሉንግ ድሮንን ካብ መደብር ሓይሊ ኣየር ቢሾፍቱ ከምዝብገሳ ተፈሊጡ ኣሎ። ቱርኪ ሰራሕ TB@ ድሮን አብ ባህርዳር መደብራ ከምዝተበገሰት እቲ ሪፖርት ይሕብር። ምፍታሕ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ኣቶ ጌታቸው አሰፋ ዝተአሰሩ ሰባት ፖለቲካዊ ውሳነ ከምዘይኮነ ተገሊጹ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕነትን ነበር ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋ ካብ መንጎ ዝተኸሰሱ እቶም 20 ብዋሕስ ክፍትሑ ዝተወሰነ ንነዊሕ ግዜ ብዝተኻየደ መስርሕ ቤት ፍርዲ እምበር ብፖለቲካዊ ውሳነ ኣይኮነን ክብሉ ካብ ጠበቓታት ተኸሰስቲ ሓደ ኣቶ ዮሴፍ ኪሮስ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ዓቃቢ ሕጊ ዘቕረቦ ይግባይ ብምብጋስ ትማሊ ናይ ክልቲኦም ወገናት ሙግት ዝሰምዐ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ ን7 ለካቲት 2014 ቆፀሮ ምሃቡ ጠበቓ ኣቶ ዮሴፍ ተዛሪቦም። ምክትል ሚኒስትር ፍትሒ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ እቲ ናይ ዋሕስ ውሳነ መንግስቲ ኣብ ቀረባ ወግዓዊ ምስ ዝገበሮ ክሲ ናይ ምቁራፅ ስጉምቲ ዘይራኸብን እዩ ክብሉ ኣብዚ ሰሙን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ምሕጽንታ ሰብ-ሞያ ጥዕና ኤርትራውያን ንውድብ ጥዕና ዓለም፤ “ሓላፍነት ኣለኩም” ኤርትራ፡ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝምቕራሕ ይዅን ባዕላ ብምግዛእ ዛጊት ኣንጻር ኮቪድ19 ክታበት ዘይጀመረት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ልዕሊ ሱሳ ዝኾኑ፡ ኣብ ሞያ ሕክምና ዝነጥፉ ኤርትራውያን እምበኣር ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ክፉት ምሕጽንታ የቕርቡ ኣለዉ። ቀ/ሚ ኣብይ ሃገሮም ኣብ ኲናት ትግራይ ተጸሚዳ ኣብ ዘላትሉ ኣብ ዓረብ ኢማራት ምብጻሕ የካይዱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሃገሮም ኣብ ኲናት ትግራይ ተጸሚዳትሉ ኣብ ዘላ እዋን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብቐዳም ናይ ስራሕ ምብጻሕ አካይዶም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝበፅሕሉ እዋን ናይ ዱባይ፡ ጸላዊን ወራሲ ልዑል ዝኾኑ ሸኽ መሓመድ ቤን ዛይድ ኣል ናህያን ተቀቢሎሞ ንኽብሮም ዝተገብረ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ’ውን ተረኺቦምን ኣኬባ ምክያዶምን መንግስታዊ ትካል ዜና ኤምራት WAM ብምጥቃስ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ኹናት ትግራይ ኣብ ሕዳር 2020’ዩ ጀሚሩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እቲ ኹናት ተቀይሩ: ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምድፋእ ፈቲኖም ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ ንድሕሪት ኣንሳሒቦም ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ከምዘይስዕቦም ገሊጹ'ሎ። እዚ ኸኣ ንምብፃሕ ሰብኣዊ ረድኤት ዒላማ ዝገበረ ብኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ፃዕርታት ሽምግልና ንኽግበር መንገዲ ኸፊቱ’ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኹናት ዝገልፁ ፀብፃባት ቀይዱን ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን’ዉን ንገለ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ’ዩ። ክኢላታት ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቻይና:ቱርኪን ዓረብ ኤምራ ትንን ብዝገዝኦም ድሮናት ሓይሉ’ዩ ይብሉ። ሓገዝ ዝፀዓና መካይን ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ተኸልኪለን ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሃቦ መግለፂ ብወገን ትግራይ ኣሉታዊ ምላሽ ተዋሂቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ልኢኸ ንዝበሎ ብወገን ትግራይ ኣሉታዊ ምላሽ ተዋሂቡ። እቲ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ወፃኢ ዝምድናታት ትግራይ ኣቢሉ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 27 ናይ ጽዕነት መካይን ልኢኸ ዝበሎ ኣብ ክልል ዓፋር ከም ዝተዓገታ ኣመልኪቱ። ፈደራል መንግስቲ፡ እቲ ዝደለ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ከይበጽሕ ሓይልታት ትግራይ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ብምባል ክኸስስ ምጽናሑ ይፍለጥ። እቲ ቤት ጽሕፈት ወፃኢ ዝምድናታት ትግራይ ዝወጸ መግለጺ ግን ኰነ ኢሉ ተዛባዒ መምርሒ እናሃበ ሓገዝ ዝዓንቅፍ ዘሎ ባዕሉ እቲ መንግስቲ ምዃኑን እቲ ዘቕርቦ ዘሎ ድማ ዕባራ ምኽንያት’ዩ ክብል ይኸስስ። ወሲኹ እቲ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ፍጹም ዕጽዋ ኣዊጁ ዘሎ መንግስቲ፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝገብሮ ዘሎ ምስምስ’ዩ ክብል ይገልጽ በዓል ጥምቀት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቢሩ ውዒሉ በዓል ጥምቀት ሎሚ ዓመት ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝደመቐ ኣገባብ ተኸቢሩ ከምዝወዓለ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታ እተን ሃገራት ዝመጻና ሓበረታ ኣመልኪቱ`ሎ። ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጃል ሜዳ ኣብ ዝተኸብረ በዓል ብዙሓት ነበርትን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝመጹ ኢትዮጵያውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ተረኺቦም ኔሮም ክብሉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ ብወኪሎም ኣቡነ ኣረጋዊ ኣቢሎም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ኩሉ ንሰላም ንዝግበር ጻዕሪ ክድግፍ ሓቲቶም። ብኻልእ ወገን ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ባህረ-ጥምቀት ፋሲለደስ ኣብ ዝተኸብረ በዓል ጥምቀት፡ ድሕሪ ኩናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዕጽዋ ኮሮናቫይረስን ብዝደመቐ ኣገባብ ምሕላፉ ተፈሊጡ`ሎ። ብዙሓት ካብ ደገ ዝመጹ ኢትዮጵያውያን ምስታፎም`ውን ተጠቒሱ`ሎ። ኣብቲ እዋን ንህዝቢ መደረ ዘስምዐ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፍኣለ፡ ሎሚ ዘመን ብዙሓት ወጻእተኛታት ዘይምርካቦም ናይ ውሽጢ ሃገር ቱሪዝም ክነተባብዕ ከምዝግብኣና ዝመላኽት`ዩ ኢሉ። በዓል ጥምቀት ኣብ ክልል ትግራይ`ውን ብናቱ ኣገባብ ተኸቢሩ`ሎ ። ኣብ ኤርትራ ብተኸተልቲ ክርስትና ዓቢ ቦታ ዘለዎን ኣብ ኣደባባይ ዝኽበርን በዓል ጥምቀት ፡ሎሚ 19 ጥሪ ኣብ መላእ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ ስርዓት ብድምቀት ተኸቢሩ። ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ቄዎርሎስ ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤትክርስትያን ኤርትራ ንኩሎም ህዝበ ክርስትያን ዘለናዮ ዓመት ናይ ሰላምን ራህዋን ክኾነሎም ትምኒቶም ገሊጾም። እቲ ብድሮ ካብ ዝተፈላለዩ ገዳማትን ኣብያተ ክርስትያናትን ናብ ባህረ ጥምቀት ዝግበር ናይ ሕድሮ ስነ-ስርዓት ብምኽንያት ኮቪድ19 ኣይተካየደን፡ኩለን ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማን ብድሮ ጀሚረን ምሉእ ለይቲ ቅዳሰን ጸሎትን ኣብጺሐን። ኢትዮጵያ: ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ናይ ስራሕ ስነ ምግባር ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ ክትብል ከሲሳ ኢትዮጵያ፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ካብ ናይ ስርሑ ስነ-ምግባር ወጻኢ ይኸይድ ኣሎ ዝብል ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናብ ፈጻሚ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝለኣኸት ኣፍሊጣ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ደብዳቢኡ፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኽተሎ ዘሎ ሞራላዊ፡ ሕጋውን ሞያውን ናይ ስነ-ምግባር ጉድለት፡ ንኽብሪ`ቲ ትካል ኣብ ስግኣት ዘውድቕ`ዩ ይብል። ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ዝገብሮ ናይ ሚድያ ስራሓት ንህወሓት ከምዘተባብዕን፡ እቲ ጉጅለ ወተሃደራዊ ዓወት ዝረኸበ ክመስል ከሎ ድማ ከምዝሕጎስ ከምኡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ሰብኣዊ ሻቕሎት መመሪጹ ከም ዝዛረብ ዝጠቐሰ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ፈጻሚ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም በመሰረት መምርሕታቱ ንስነ-ምግባር ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝምርምር ኮሚሽን ከቕውም ጸዊዑ`ሎ። ኣብ ቀረባ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዶ/ር ቴድሮስ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ መድሃኒት ናብ ትግራይ ንኸይኣቱ ብምኽልካል ከሲስዎ`ዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብዛዕባ`ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተዋህበ መልሲ ዛጊት የለን። ፕረ.ባይደን ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘሻቕሎም ገሊጾም ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ትማሊ ሶኑይ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረቡን፣ ኣብ ክልል ትግራይ ይፍጸም ብዘሎ ግጭትን ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ንሰላማዊያን ሰባት ዝቀተለ ደብዳብ ነፈርቲን ሻቅሎቶም ከምዝገለጽሎም ተፈሊጡ። ትማሊ ሶኑይ ብቴለቭዥን ትግራይ ዝተፈነወ ቪድዮ ድሕሪ’ቲ ዝወረደ ደብዳብ ንዘጋጠመ ዘርአየ ኮይኑ ኣሎ። ብቐዳም ርእይቶ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ብወገኑ ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ፣ ብውሑድ 56 ሰባት ኣብ መዓስከር ተፈናቀልቲ ከምዝሞቱ ሓቢሩ። ሓደ ርእይትኡ ዝሃበ ነባሪ’ቲ መዓስከር ተፈናቀልቲ ክዛረብ ከሎ፣ "ካብ’ዚ ዝገደደ ነገር ስለዘየለ፣ ደቅና ናብ ዓውደ ግንባር ክብገሱ እዩ ዘለዎም። ንሕና ብወገና፣ ሰብኡትናን ኣንስትናን ከይተረፍና፣ ክንዲ ዝኻኣልናዮ ክነብርክት ኢና። ካብ’ዚ ዝገደደ ጸላኢ ክህሉ ኣይኽእልን። ካብ’ዚ ዝገደደ ሓደጋ ክመጸና ኣይኽእልን እዩ" ይብል። ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ) ብወገኑ ፕረዚደንት ባይደን፣ንኣገዳስነት ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ፣ ንዝረአ ስግኣት ሰብኣዊ መሰላት፣ ብሰንኪ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ብዛዕባ ዝተኣሰሩ ሰባት ጸቂጦም ከምዝተዛረቡ ኣፍሊጡ። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንሻቅሎት መራሒ ኣመሪካ እንታይ ዓይነት መልሲ ከምዝሃቡ ዋይት ሃውስ ጽጹይ ሓበሬታ ኣይወሰኸን። ኦፌኮ: መራሕቱን አባላቱን ምፍትሖም ኣብ ሃገራዊ ልዝብ'ታ ሃገር ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጹ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ \ኦፌኮ\ ፓርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መራሕቲን ኣባላትን ምፍትሖም ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ልዝብ ክካየድ ኣበርክቶ ኣለው ክብል ገሊፁ። ናይቲ ፓርቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፁዎ መንግስቲ ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ልዝብ ንምክያድ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ምፍትሑ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም። ሚንስትር ፍትሒ ዶክተር ጌድዮን ጤሞትዎስ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ፓርቲ ዝተፈትሑ ዝኸሰሶም ኣካል ነቲ ክሲ ብምልዓሉ እዩ ኢሎም ኣለው። ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን ካብ መዝነቶም ከምዝለቁ ተገሊጹ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን ካብ መዝነቶም ከምዝለቁ ተገሊጹ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን ኣብዚ ስራሕ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምግልጋሎም ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝወርዱ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ተሰናባቲ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ቱርኪ ዴቪድ ሳተርፊልድ ነዚ ሓላፍነት ከምዝርከቡ ኣብቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰለስተ ምንጭታት ሎሚ ረቡዕ ንሮይተርስ ገሊፆም። ኣብ ሚያዚያ ዝተሸሙ ፌልትማን ንርእሶም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ቅልውላዋት እዮም ረኺቦም።ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ንህወሓት ዝድግፉ ሓይልታትን ሰራዊት ቀዳማይ ሚንስትርን ኣብይ ኣሕመድን እናገደደ ዝኸደ ሕድ ሕድ ኵናት ከምኡ'ውን ዕልዋ መንግስቲ ሱዳንን። ኣቐዲሙ ዘይተፀብፀበ ምልቃቖም ዝስማዕ ዘሎ ኣመሪካ እቲ ግጭት ከብቅዕ ትግበሮ ንዘላ ዳሕረዋይ ፃዕሪ ፌልትማን ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ንምርኻብ ፅባሕ ሓሙስ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምጋሾም እዩ። 62 ዓመት ዝዕድሚኦም ፌልትማን እቲ ሓላፍነት ዝወሰዱ ንትሕቲ ሓደ ዓመት ምዃኑ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎ ምንጪ ሓቢሩ ኣሎ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ፌልትማን ዝድለ ምዕባለ ኣብ ምምፃእ ዕንቅፋት ገጢሙዎም እዩ።ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረን ሓደ ካብ ናይ ኣፍሪቃ ደማዊ ግጭትን ንኣሽሓት ስቪላት ቀቲሉ፣ንሚሊዮናት ኣመዛቢሉን ዓፀቦ ኣስዒቡን እዩ። ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ናይ ኣመሪካ ናይ ወፃኢ ኣገልግሎት ልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎም ክኾኑ ከለው ኣብ ቱርኪ በዳሂ ዝኾነ ናይ ኣምባሳደርነት ስራሕ ነይሩዎም።ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ኔቶ ኣጋር ሃገራት ዘሎ ሓርፋፍ ክልትኣዊ ርክባት ዝመርሑ ዲፕሎማት እዮም። ቅድሚ ናይ ኣንካራ ሓላፍነቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሊባኖስ፣ ቱኒዚያን ሶሪያን ሰሪሖም እዮም።ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ ብደረጃ ተጠባባቒነት ክልተ ግዜ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ብምዃን ኣገልጊሎም። ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ትልእኾ ዘላ ሓዊሱ ቱርኪ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሮናት ናብ ወፃኢ ምልኣኽ እናወሰኸ ምኻዱ ናይ ሳተርፊልድ ሓዱሽን ዝፀንሐን ስርሖም ክኸውን እዩ።ቱርኪ ንኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ድሮናት ምሻጣ ብዝምልከት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንቱርኪ ኣልዒላትላ ኣላ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፃር ተዋጋእቲ ኣፅዋራት ምጥቃሙ ዝሕብሩ መረዳእታት እናወሰኹ ምምፆኦም ምንጭታት ይገልፁ። ህሉዊ ኵነታት ትግራይ ብዝተፈላለየ መንጸር ድሕሪ ምስሓብ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እቲ ዝቕጽል ምዕራፍ‘ከ እንታይ‘ዩ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክዛተዩ በብይኖም ኣጋይሽ ዓዲምና ኣሎና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ቀዳም መደብና ንኣቐዲሙ ዲፕሎማት ኢትዮጵያ ዝነበረን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተመስረተ ልፍንቲ በብይኖም ተቓውሞ ሰልፍታት ኢትዮጵያ‘ውን ካብቶም መስረትቲን ወደብንቲን ዝነበረ ዮሃንስ ኣብርሃ ካብ ካናዳ‘ዩ። ካልኣይ ጋሻና ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ካብ ኣዲስ ኣበባ‘ዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ዋና ጸሓፊ ህግሓኤ ነበር ኣቶ ሮመዳን መሓመድኑር ዓሪፉ ዋና-ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር ኣብ መበል 83 ዕድሚኡ ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ። ኣብ 1964 ናብ ቃልሲ ናጽነት ዝተጸንበረ ኣቶ ሮሞዳን፡ ኣብ 60`ታት ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ ምፍላዮም ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንፖለቲካዊ ትምህርቲ ናብ ቻይና ካብ ዝተላእኩ ሓደ`ዩ ኔሩ። ኣቶ ሮመዳን መሓመድኑር ክሳብ ናይ 1987 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ዝመርሐ ክኸውን ከሎ፡ ድሕሪኡ ሓላፊ’ቲ ኣብቲ እዋን ዝቖመ ክፍሊ ሕጊ እቲ ውድብ’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ከም ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ (ቅድሚ ሚኒስትሪ ምዃኑ) ኰይኑ ኣገልጊሉ። ሮሞዳን፡ ቅድሚ ኣብ 1994 ካብ ህዝባዊ መዝነት ብፍቓዱ ምልቃቑ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ደንካሊያ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣቶ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ 1994 ብፍቓዱ ካብ መዝነት ምውራዱ ከም ፍሉይነት ተራእዩ ብብዙሓት ኣድናቖት ኣትሪፍሉ`ዩ። ኣቶ ሮሞዳን ኣቦ ሽዱሽተ ቆልዑ'ዩ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብሕጂ ዝግለጽ ምዃኑ መንግስታዊ ሚድያ ኤርትራ ሓቢሩ`ሎ። ብኻልእ ተዛማዲ ዜና፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝዓረፈ ፍሉጥ ደራሲ ተስፋየ ገብረኣብ፡ ኣስኬረኑ ትማሊ ረቡዕ ኣስመራ ድሕሪ ምእታው ሎሚ ኣብ መካነ-መቓብር ሓዝሓዝ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ`ሎ። ቃለ መሕትት ኣብ ጉዳይ ክታበት ቫይረስኮሮና ንህጻናት - ዶ/ር ሰይፉ መንገሻ ዶ/ር ሰይፉ መንገሻ ኣበራ ይበሃሉ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግተን ከተማ ሲያትል ኣብ ዩኒቨርስቲ ዋሽንግተን ሓኪም ውሽጣዊ ደዌ እዮም ። ንህፃናትን ዝወሃብ ክታበት ኮቪድ ጠሚቱ ኣብ ማሕበረሰብ ዝረኣዩ ስግኣታትን ሞያዊ ሓበሬታታትን ብዝምልከት ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available No media source currently available ክልል ኣምሓራ: ብሞያ ሕክምና ሰልጢኖም ኣብ ስራሕ ከይተዋፈሩ ዝጸንሑ መንእሰያት ነጻ ኣገልግሎት ይህቡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሞያ ሕክምና ሰልጢኖም ኣብ ስራሕ ከይተዋፈሩ ዝጸንሑ መንእሰያት ናብቶም ብኹናት ዝዓነዉ ትካላት ጥዕናን ተመዛበልቲ ዝተዓቁብሉን ተንቀሳቂሶም ነጻ ኣገልግሎት ሕክምና ይህቡ'ለዉ። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ዘዘራረቦም ሓኻይም ዶክተር እለኔ ኣስጨንቅን ዶክተር መሓሪ በቃሉን እቲ ሞያ ዝሓቶ ስነ ምግባር ምፍጻም ግደትኦም ምኻኑ ተዛሪቦም። ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ኹናት 11 ሚልዮን ዜጋታት ተመዛብሎም ኣብ መዕቆቢ ይርከቡ ዝበለት ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሎሚ ቅነ ልዕሊ 400 ሽሕ ናብ ከባቢኦም ከም ዝተመልሱ ናይቲ ክልል ኮሚሽን ምክልኽል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ኣፍሊጡ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ብምውሳኹ ኣብ መዓልቲ 1.2 ሚልዮን ኩንታል እኽሊ ከምዘድልይ ተሓቢሩ 11.4 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ረድኤት መግቢ ከምዘድልዮም ክገልፅ ዝፀንሐ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ምንባር ዝጀመሩ ሓደጋ ጥምየት ከምዘጋጠሞም ነበርቲ ገሊፆም። ወይዘሮ ኣለሚቱ ኣበራ ዝተባህላ ኣብ ሰሜን ወሎ መቄት ወረዳ ከምዝነበራ ብምግላፅ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ትግራይ ምስ ወደቐ ካብቲ ከባቢ ሃዲመን ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ባህር ዳር ከምዝነበራ ይገልፃ።ሕጂ ምስ ተመለሳ ግን ንብረተን ዓንዩ ከምዝረኸብኦ ይዛረባ። ናይቲ ክልል ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት መግብን ኮሚሽነር ዘለኣለም ልጃለም ኣብቲ ክልል ህፁፅ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት እናወሰኸ ብምኻዱ ኣብ መዓልቲ 1.2 ሚሊዮን ኩንታል እኽሊ ከምዘድሊ ሓቢሮም። ንሶም ወሲኾም ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ኵናት ካብ ዝተመዛበሉ 2.3 ሚሊዮን ሰባት 160,000 ሰባት ናብ መንበሪኦም ዝተመለሱ ክኾኑ ከለው ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ናይ ምግዓዝ ስራሕ ከምዝቕፅል ሓቢሮም ኣለው። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ልዝብ ንምክያድ ዝተዳለወ መድረኽ ከምዘየለ ኣፍሊጡ። ኣብ ኢትዮጵያ ክካይድ ዝተመደበ ሃገራዊ ምኽክር ምስ ህወሓት ልዝብ ንምክያድ ተሓሲቡ ዝተዳለወ ከምዘይኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ‘’ኩሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ዝርርብ ናይ ምክያድ ሓሳብ ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ዝተመደበ እምበር ገለ ኣካላት ከምዝብሉዎ መንግስቲ ምስ ሓይልታት ህወሓት ንምልዛብ ዘቕረቦ ሓሳብ የለን’’ ክብሉ ምክትል ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን ኣቶ ከበደ ዴሲሳ ገሊፆም። ብኻልእ ወገን መራሒ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓይልታቶም ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምውጽኦም ንሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጽሓፍዎ ደብዳበ ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ዝርርብ ከምዘድሊ ኣብ ደብዳቢኦም ገሊፆም ኔሮም። ይኹን እምበር ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ናይ ቱርኪ ኣናዶሉ ወኪል ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለምልልስ ህወሓት ኣብቲ ልዝብ ንምስታፍ ዕድል ዝህልው ዕጥቑ ምስፈትሐን ዝድለዩ ዝበሉዎም ገበነኛታትን ኣሒሊፉ ምስሃበ ምዃኑ ሓቢሮም ። ኣብ በበይኑ ቦታታት ክልል ትግራይ ብዝተኻየደ ደብዳብ ድሮናት ፣ ህይወት ሰላማውያን ዜጋታት ምጥፍኡ ተገሊጹ ብመሰረት ወግዓዊ ምንጭታት ቢሮ መራኸቢታት ክልል ትግራይ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ወረዳ እንደርታ፡ ቍሸት ምላዘት ኣብ ልዕሊ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ሰብ-ኣልቦ ነፈሪት (ድሮን) 23 ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ምቁሳሎም ተሓቢሩ'ሎ።። እቲ ቢሮ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መግለጺ’ውን ኣብ ከተማታት ማይ-ጨውን ኮረምን ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲን ድሮናትን 18 ሰለማውያን ዜጋታት ተቐቲሎም፡ 11 ድማ በቲ መጥቃዕቲ ቆሲሎም ኢሉ። ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕጽረት መጓዓዝያ፡ ወኪልና ናብቲ ቦታ ከይዱ ነቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ግብረ-መልሲ ካብ ወግዓዊ መንግስታዊ ምንጭታት ንምርካብ ዘካየድናዮ ፈተነ’ውን ኣይሰለጠን። ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስሓቦም ተገሊጹ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓውደ-ውግእ ወሰንቲ ቦታታት ምቍጽጻሩ ኣብ ዝሕብረሉ ዘሎ ግዜ፡ ምእንቲ ነባሪ ሰላም ክብሉ ሰራዊቶም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰሓቡ ወሃብ-ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ ሰኑይ ሓቢሩ። ዓሰርተ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት ወሲዱ ንተወሳኺ 80-ሽሕ ዝበጽሑ ድማ ንስደት ናብ ሱዳን ኣቓሊዑ ምህላዉ ኣገልግሎት ሮይተርስ ይጠቅስ። ንምንስሓብ ሰራዊቶም ካብ ጎረባብቲ ክልላት ኣመልኪቶም ዶክተር ደብረጽዮን ናብ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ዝለኣኹዎ ጸብዳበ፡ በይንኣዊ ናይ ምንስሓብ ውሳነኦም ንሰላም ወሳነ ተራ ክህሉዎ ተስፋ ከም ዘለዎም ጠቒሶም። ዶክተር ደብረጽዮን ኣብ ደብዳበኦም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ደብዳበ ነፈርቲ ንምውጋድ ናብቲ ክልል በረራ ክኽልከል፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ክግበርን ብሕቡራት ሃገራት ዝረጋገጽ ምንስሓብ ናይ ደገ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክግበርን ጸዊዖም። ወሃብ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉን ሓላፊት ፕረስ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩምን ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ክብጽሑ ከም ዘይተኻእሉ እቲ ዜና ይጠቅስ። ብሰንኪ’ቲ ኲናት ኣስታት 400-ሽሕ ዜጋታት ኣብ ድርኩኺት ዓጸቦ ክርከቡ እንከለዉ፡ ኣስታት 9.4 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ኣለዉ። ዶክተር ደብረጽዮን ኣብቲ ንዋና ጸሓፊ ዝለኣኹዎ ደብዳበ’ውን ምስሓብ ሰራዊቶም ናብ ትግራይ ንዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ባብ ዝኸፍት ክኸውን ከም ዝጽፈዉ ጠቒሶም ኣለዉ። ኢትዮጵያ: ቤት ምኽሪ ሰ/መሰላት ሕ/ሃ ዝጸውዖ ፍሉይ ኣኼባ ብትሪ ከምትቓወሞ ገሊጻ ኢትዮጵያ: ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ዝፀውዖ ፍሉይ ኣኼባ ኣባላት'ቲ ቤት ምኽሪ ክነጽግኦንን ገለልተኝነት ናይቲ ቤት ምኽሪ ከረጋግፁ ፀዊዓ። እዚ ብተበግሶ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት የተሓሳስበና እዩ ብዝብል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝፀውዖ ፍሉይ ኣኼባ ኢትዮጵያ ብትሪ ከም እትቃወሞ ምክትል ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ከበደ ደሲሳ ገሊፆም። ኣቶ ከበደ እቲ ቤት ምኽሪ ዝቕፅል ዓርቢ ዝፀውዖ እዚ ፍሉይ ኣኼባ ዕላምኡ ዝተወሰነ ኣጀንዳ ንምዕዋት እዩ ኢሎም ።ንሶም ወሲኾም ነቲ ኣኼባ ዝፀውዕኦ ዝተወሰና ሃገራት እየን: ካልኦት ሃገራት ነቲ ኣድልዎ ዝተመልኦ ዝበሉዎ ኣሰራርሓ ክቃወምኦ ፃውዒት ኣቕሪቦም። እቶም ምክትል ሚኒስትር ኮሚኒኬሽን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ብኢትዮጵያዊያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ዝተጀመረ ናይ ይ ኣክል ወይ NOMORE ወፍሪ ናብ ልዕል ዝበለ ዓለምለኸ ምንቅስቓስ ፖለቲካ ተሰጋጊሩ ኣሎ ኢሎም። ቤት ምኽሪ ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንዝተፈጸመ ጥፍኣት ኮኒኑ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈጸመ ጥፍኣት ህይወትን ንብረትን ዝፈጸመ ይፈጽሞ ኣትሪርና ንኹንኖ ክብል ቤት ምኽሪ ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝዘርገሖ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ፈጻሚ ስራሕ ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ዘይፍትሓውነት ምቅዋም ቀንዲ ዕላማኡ ምዃኑን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዝኾነ ወገን ንዝፍጸም ጥፍኣት ህይወትን ንብረትን ብጽኑዕ ንኹንን ኢሉ'ሎ። ኣብቲ ጎንጺ ዝዋስኡ ወገናት ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊነትን ምሕላው ግዴትኦም ምኻኑ ተገንዚቦም ክንቀሳቀሱ ይግባእ'ውን ኢሉ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መግለጺኡ ንምንታይ ፈጸምቲ ፈልዩ ከምዘይኾነነ ካብ ድምጺ ኣመሪካ ንዝቀረበሉ ሕቶ ዳይሬክተር'ቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ ሄኖክ መለሰ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ቀዳምነት ሰላምን ደሕንነትን ህዝቢ ከም ዘገድሶም ብምግላጽ ኣጻሪና ምስ ወዳእና ብወግዒ ክንኹንኖ ኢና ኢሉ። መግለጺ እቲ ቤት ምኽሪ ብተወሳኺ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ጌርዎ ዝበሎ ዘይግባእ ተጽዕኖ ብፍላይ ኣመሪካ ንዕድል ኣገዋ ንምኽልኻል ክወስዶ እየ ዝበለቶ ስጉምቲ ኣብታ ሃገር ዝድለ ሰላም ዘየምጽእን ምክን ያታዊ ኣይኮነን ክብል ወቂሱ። ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንክልተ ሰሙናት ክዕጸዋ ተወሲኑ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ንክልተ ሰሙን ተዓጽየን፣ ተማሃሮን መማህራንን፣ ናብ ውግእ ንዝወፍሩ፣ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ኣገልግሎት ንክልግሱ ከምዝተወሰነ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ። ሚኒስትር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ብመሰረት ሎሚ ዝሃቦ መግለጺ ‘ምስ ክልላዊን ከተማን ምምሕዳራት ብመሰረት ዝተካየደ ምይይጥ፣ ካብ 27 ሕዳር ክሳብ 3 ታሕሳስ፣ ብደረጃ ሃገር፣ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕጸዋን ተማሃሮን መምህራንን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ንክዋፈሩ ከምዝተወሰነ ተገሊጹ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ፣ ካብ ክልል ኣምሓራ ውግእ ኣብ ኣብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት፣ ኣብ ልዕሊ 1600 ኣብያተ ትምህርቲ ጉ ድ ኣት ከምዝበጽሓን ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ተማሃሮ ካብ ትምህርቲ ከምዝቦኸሩ ምክትል ሚኒስትር ትምህርቲ ዶ/ር ሳሙኤል ክፍለ ገሊጾም። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ዓመት ብሰንኪ ዝቀጸለ ውግእ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ’ውን ዝገደዶ ግጭት፣ ብዘይካ ትካላት ትምህርቲ፣ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘስዓበ፣ ብሰንኪ’ቲ ውግእ፣ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ልዕሊ 9.5 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝበጽሐ ሕ/ሃ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ኢትዮጵያ ንዓውደ-ኲናት ዝምልከት ዜና ከይዝርጋሕ ከልኪላ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ፡ ንዝካየድ ዘሎ ኲናትን ወተሃራዊ ግጥማትን ኣመልኪቱ ዝዀነ ሓበሬታ ብመራኸቢታት ከይዝርጋሕ ከልኪሉ። እቲ መምርሒ ናይ ውሽጢ ዓዲን ወጻኢን መራኸቢታት ዝምልከት ኮይኑ እዚ ኣካል’ቲ ኣብ ፈለማ እዋን ናይዚ ወርሒ ብዛዕባ ዝወረደ መምርሒ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣሳሰር'ዩ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ፡ ነዚ መምርሒ ዝጠሓሰ ዝዀነ ማዕከን ዜና ስጕምቲ ክውደሰሉ ምዃኑ የመልክት። ክወርድ ዝኽእል ሳዕቤን ደኣ ኣየነጽር እምበር፡ እቲ መምርሒ’ውን ነቶም “ኣሽበርቲ” ዝብሎም ማዕከናት ዜናታት ህዝቢ ከይከታተሎም’ውን መምርሒ ኣተሓላሊፉ ኣሎ። እቲ ትማሊ ዝወጸ መምርሒ’ውን ዝዀነ ኣካል “መሰጋገሪ መንግስቲ” ኢሉ ከይጠቅስ ዝኽልክል’ዩ። እዚ ፈደራላዊ ባይቶ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንዘተ ኣመልኪቱ ድሕሪ ዘውጽኦ መግለጺ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ “መሰጋገሪ” ክብል’ዩ ጠቒሱዎ ነይሩ። ኦፌኮ: ሃገራዊ ልዝብ ክካየድን መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረትን ሓቲቱ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ \ኦፌኮ\ ሃገራዊ ልዝብ ክካየድን ናይ ስግግር መንግስቲ ክምስረትን ሓቲቱ። ‘’ኢትዮጵያ ኣብ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩነታት ትርከብ ኣላ’’ ክብል 25 ሕዳር 2021 መግለፂ ዘውፅአ ፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ: ኢትዮጵያ ኣትያቶ ካብ ዝበሎ ስእነት ሰላም ክትወፅእ ሃገራዊ ልዝብ የድልይ ኣሎ ኢሉ።ፓርቶም ህልዊ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ስግግር መንግስቲ የድሊ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ገሊፆም። ሃገራዊ ልዝብ ኣድላይ እዩ ዝበሉ ምክትል ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚንኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ከበደ ዴስሳ ይኹን እምበር ነታ ሃገር ይመርሕ ዘሎ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስራሕ ይሰርሕ ስለዘሎ ብህዝቢ ዝተመረፀን ሕጋዊ መንግስቲ እናሃለወን ንኢትዮጵያ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣየድልያን' ዩ ክብሉ ነቲ ናይ ኦፌኮ ነቐፌታ ነፂጎምዎ ኣለው ። ምክትል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን ንስሩዕ መንግስታዊ ዕዮ ከምዝፍጽሙ ተገሊጹ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ድሕሪ ምውፋሮም፣ ንስሩዕ መንግስታዊ ዕዮ ምክትል ቀ/ሚን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮንን ተኪኦም ከምዝሰርሑ ተገሊጹ። ኣመሪካ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት፣ ንዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ከምዘተዓናቅፍ ክትገልጽ ከላ፣ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ቀ/ሚ ምውፋሮም ምብርባር ፈጢሩ ኣሎ ይብል። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ውግእ ስፍሑ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጸገም ከምዘቃለዖም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ ። ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ናብ ግንባር ውግእ ከምዝብገሱ ብመሰረት ዝሃብዎ መግለጺ ትማሊ ሰሉስ ከምዝወፈሩ" ኣረጋጊጹ። ሚኒስትር ኮምኒኬሽን ዶ/ር ለገሰ ቱሉ "ስሩዕ ስራሕቲ ዝመርሑ ምክትል ቀ/ሚን ሚኒስትር ወጻኢን ደመቀ መኮንን ከምዝኾኑ" ሓቢሮም። ብካልእ ወገን፣ ውግእ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሰፍሓሉእዋን፣ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጸገም ይቃልዑ ከምዘለው ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ገሊጹ። ብተመሳሳሊ፣ ዓውደ ግንባራት ምቅይያሮምን ኩነተ ጸጥታ ምንቁልቋሉን፣ ንስራሕቲ ቀረብ ረድኤትን ሓገዝን ከቢድ ከምዝገበሮ ዝመጸና ዜና ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣርባዕተ ዲፕሎማት ኣየርላንድ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ተነጊሩዎም ኣርባዕተ ካብ ሽዱሽተ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ኤምባሲ ኣየርላንድ ንዝመጽእ ሰሙን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝተነገሮም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ንመንግስቲ ኣየርላንድ ብምጥቃስ ኣመልኪቱ። ምስጕግ ናይዞም ዲፕሎማት ምስ መንግስቲ ኣየርላንድ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ዝወሰዶ መርገጺ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣሎ። ኣምባሳድር ኣየርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንሳ ምስ ሓደ አባል'ቲ ኤምባሲ ክትጸንሕ ከምትኽእል እቶም ካልኦት ግን ካብታ ሃገር ክወጹ ከም ዝተሓበሮም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጠቒሱ። ካብ 1994 ኣትሒዛ ኣብ ኢትዮጵያ ዲፕሎማት ዝጸንሑዋ ኣየርላንድ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት 185 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዝገበረት ተመልክት። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ከኣ በቲ ኢትዮጵያ ዝወሰደቶ ስጕምቲ ኣዝዮም ሕዙናት ምዃኖም ድሕሪ ምግላጽ፡ መርገጺ መንግስቶም ድማ ምስ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብቲ ጉዳይ ዝመሳሰል ምዃኑ ብምሕባር እቲ ኲናት ብዘተ ክፍታሕ ደጊሙ ኣመልኪቱ። ናይ ትግርኛ ጽሑፍ ናብ ድምጺ እትቕይር ማሽን(ሞተር)ዘማዕበሉ ኤርትራውያን መሃንድሳት ኣርባዕተ ናይ ሓሙሻይ ዓመት ተማሃሮ ምህንድስና ኮለጅ ማይ ነፍሒ ዝኮኑ መንእሰያት ናይ ትግርኛ ጽሑፍ ናብ ድምጺ እትቕይር ማሽን(ሞተር) ኣማዕቢሎም።እዛ ማሽን ብሰብ ሰርሖ ብልሒ (ኣርቲፊሻል እንቲሊጀንስ) ትዓዪ ብምዃና ካብተን ቅድሚ ሕጂ ዝማዕበላ ተመሳሳሊ ጥቕሚ ዘለወን ስርሓት ዝትፈለየተን ዝሓሽ ንጻረ ድምጽን ኣደማምጻን ዘለዋን ከምዝኾነተን እቶም መሃንድሳት ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም። እዛ ብሰብ ሰርሖ ብልሒ እትሰርሕ ማሽን ንዓይነ ስውራን፡ንዘይተማሃሩን ኣንቢቦም ዘይክእሉ ሰባት፡ኣብ ሕክምና፡መዓርፎ ነፋሪትን ካልእን ኣገልግሎት ከም እትህብ እቶም መሃንድሳት ተዛሪቦም ኣለዉ።ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ንኽትሕተም ተቐባልነት ከምዝረኸበት ወሲኾም ገሊጾም ኣለዉ።ምስ’ዞም መሃንድሳት ዝተገብረ ቃለ-መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ክልል ኣምሓራ ቢልዮናት ዝውድእ ንብረት ተዘሚቱ ኢሉ ይኸስስ ሰበ-ስልጣን ህወሓት ግን ዕጡቃቶም ኣውሪዶሞ ንዝብሃል ጥፍኣት ኣይቅበሉዎን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሸባሪ ኢሉ ዝመደቦም ንርእሶም ሓይልታት ትግራይ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቃት ወሪሮም ሒዞሞም ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብብዙሕ ቢልዮን ዝቁጸር ንብረት ኣዕንዮም ክብል ክልል ኣምሓራ ኸሲሱ። እቲ ዕንወት ምህርቲ ሕርሻን ህወሓት ኣብ ቀረባ ዝሓዞም ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣይሕውስን ክብል ኮሚሽን ፕላን ልምዓት ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡሎ ብመሰረት ጸብጻብ ኣስቴር ምስጋናዉ ካብ ባህርዳር። ንኽልል ትግራይ ዘማሓድሩ ዘለዉ ዶር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኾነ ካልኦት ሰበ ስልጣን ሕወሓት ግን ዕጡቃቶም ኣውሪዶሞ ንዝብሃል ጥፍኣት ኣይቅበልዎን። እካደኣስ ባንጻሩ ኣብ ክልል ትግራት ንዝወረደ ዕንወት ካሕሳ ከምዝሓቱ እዮም ዝገልጹ። ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዓሪፉ ኣቶ ኣላሚን፥ ኣብቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ በይናዊ ፓርቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ኣብ ናይ ስልጣን ፕሮቶኮል ድሕሪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ ካብ 1994 ሳልሳይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን ከም ዋና ጸሓፊ እቲ ግንባር ኰይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንኣኼባ ምስ ከደ’ዩ ብሃንደበታዊ ሕማም ዓሪፉ--ከም ሓበሬታ ትዊተር ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል። ኣብ 1966 ናብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተጸንበረ ኣቶ ኣልኣሚን፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ንናጽነት ዝመርሐ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ኰይኑ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ መዝነት ከም ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ሓላፊ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ፡ ኣብ ፈለማ ናጽነት ድማ ሓላፊ ክፍሊ ዜና ባህሊን ኰይኑ ኣገልጊሉ'ዩ። ኣልኣሚን ኣብ መበል 74 ዓመቱ’ዩ ዓሪፉ። ኣቶ ኣላሚን፥ ኣብቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ በይናዊ ፓርቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ኣብ ናይ ስልጣን ፕሮቶኮል ድሕሪ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ፡ ሰብ-መዚ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ እንኮ መፍትሒኡ ምቍራጽ ተጻብኦ ምዃኑ ይጽውዑ ሓላፊ ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ማርቲን ግሪፍስ ምስ በበይኖም ሰብ-መዚ ኢትዮጵያ ከም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ምክትል ቀዳማይ ሚንስተር ደመቀ መኮነንን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ካልኦትን ተራኺቡ፡ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ትማሊ ዛዚሙ። ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኦቻ፡ ግሪፍስ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ድሕሪ ምርኻቦም’ውን ሰብኣዊ ብዛዕባ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከባ ግዳያት፡ ቀንዲ ህሱያት እቲ ኲናት ዝዀና ደቀንስትዮ ዝተራኸበ ግሪፍስ፡ “መዓልታዊ ህይወትን ንምቕጻል፡ መግቢን መሰረታዊ ቀረባት መድሃኒት ንምርካብ ዝቃለሳ ዘለዋ ደቀንስትዮ ረኺበ። እዘን መሪር ቃልሲ ዘሕልፋ ዘለዋ ኣደታትን ደቀንን ብሩህ መጻኢ ክህሉዎም ዓለም ክትሕግዝ ኣለዋ፡” ኢሉ። ማርቲን ግሪፍስ ንትግራይ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሕቡራት ሃገራት’ውን ናብቲ ብዂናት ተሃስዩ ዝርከብ ክልል ኣምሓራ በጺሖም። እቶም ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ዝዀኑ ዝምልከቶም ሰብ-መዚ፡ ምስ ክልል ኣምሓራ ሃናጺ ርክብ ምክያዶም ጋዜጣዊ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኦቻ ይጠቅስ። ኵላቶም ኣካላት ጸቒጦም ዝዛረቡሉ ምስ መጠን ብዝሒ ተመዛበልቲ ዝዳረግ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምህላዉ’ዩ። ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ብድምሩ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ብቐጥታ በዚ ኲናት ተጸልዮም ኣለዉ--ከም መግለጺ ኦቻ። ሕቡራት ሃገራት ምስ ካልኦት ኣካላት ኰይኑ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ክጽዕር ምዃኑ ዘመልከተ ግሪፍስ፡ መወዳእታ መፍትሒ ናይቲ ቅልውላው ሰላም ምዃኑ ጸቒጡ ተዛሪቡ። ኣስዒቡ ድማ ኵላቶም ወገናት ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ምትሕብባር ክገብሩ ጸዊዑ። ናይ ትግራይን ካልኦትን ኣባያንን ጉጅለታት ጥምረት መስሪቶም ትሽዓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ጥምረት ፀረ መንግስቲ ምጥያሾም ዝገልፅ ስነስርዓት ምፍርራም ሮይተርስ ሎማዕንቲ ዓርቢ ብቐጥታ ፈነወ ኣቕሪቡዎ። ኣሶሼትድ ፕረስ ከምዝፀብፀቦ ድማ ሓይልታት ትግራይ ምስ ካልኦት ዕጡቓትን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ብምዃን ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ኣዕናዊ ኲናት ፖለቲካዊ ስግግር ንምክያድ ኣንፃር ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ጥምረት ፈጢሮም።ኣተሓባበርቲ ከምዝበሉዎ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ስነ ስርዓት ምፍርራም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ኮይኖም ይዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ካብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ዝመፁ ካልኦት ሸውዓተ ጉጅለታትን ዝሓቖፈ እዩ። ንኣሶሼትዲ ፕረስ ቃሎም ዝሃቡ ኣተሓባበርቲ እቲ ሓዱሽ ግንባር ሕብረት ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ሓይልታት ኢትዮጵያ ንቶም ቀዳማይ ምንስቴር ብቕልጡፍ ንምእላይ ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስግግር መስርሕ ንምምስራት’’ ይደሊ ይብሉ።ካብ ናይ ትግራይ ጉጅለ ኣተሓባባሪ ዮሃንስ ኣብርሃ ትማሊ ሓሙስ ከምዝተዛረቦ ’'እቲ ቐፃሊ ደረጃ ምስ ሃገራት፣ ዲፕሎማትን ዓለምለኸ ተዋሳእትን ኣብ ኢትዮጵያን ወፃኢን ንምርኻብ ምጅማር እዩ’’ኢሉ።እቲ ጥምረት ፖለቲካውን ወታደራውን ምዃኑን ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ። ወሃቢ ቃል ሰራዊ ነፃነት ኦሮሞ ዝኾነ ኦዳ ተርቢ ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ንምውራድ ድዩ ተባሂሉ ዝተሓተተ ኦዳ ኩነታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ዝፍጠሩ ፍፃመታትን እዮም ዝውስኑዎ ክብል መሊሱ።’’ኣብይ ተኣሊዩ ሰላማውን ስሩዕ ስግግርን እንተሃሊዩ እዩ ምርጫና’’ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ምንስቴር ብል ለኔ ስዩም ትማሊ ሓሙስ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ ‘’ኢትዮጵያ ንዝጀመረቶ ዴሞክራሲያዊ መስርሕ ዝነፀጉ ካብቲ ዋና ኣካል ዝተነፀሉ ንህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ክኾኑ ኣይኽእሉን’' ኢላ። ካልኦት ኣባላት እቲ ጥምረት ናይ ዓፋር ኣብዮታዊ ዴሞክራቲክ ግንባር፣ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኣገው፣ምንቅስቓስ ነፃነት ህዝቢ ቤንሻንጉል፣ሰራዊት ነፃነት ህዝቢ ጋምቤላ፣ዴሞክራቲክ ፓርቲ ቅማንት፣ብሄራዊ ነፃነት ግንባር ሲዳማን ናይ ሶማሊያ ክልል ተቓዋሚን ከምዝርከቡዎም ኣተሓባበርቲ ይገልፁ። እቲ ጥምረት ይምስረት ዘሎ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፍሉይ ልኡኽ ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ይራኸቡን ብዘይ ውዓል ሕደር ቶኽሲ ጠጠው ክብልን እቲ ኵናት ንከብቅዕ ዝርርብ ክካየድን ፃውዒት ይቐርብ ኣብዘለሉ እዋን እዩ። እቲ ኵናት ኣብ ሕዳር 2020 ኣ\ፈ ካብ ዝጅምር ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም እዮም። ተጋሩ ኣብ ዋሽንግተን ዳሲ ንዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ምውላዕ ውግእ ብሰልፊ ይዝክሩ ትማሊ 24 ጥቅምቲ 2014 ወይ ድማ 4 ሕዳራ 2021 ምጅማር ኲናት ኣብ ትግራይ ኣመልኪቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተወላዶ ትግራይ ሰልማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ነበርቲ ቪርጆንያን መሪላንድን ከምኡ’ውን ዲሲ ዝተኣኻኸቡ ብኣማኢት ዝቖጸሩ ነበርቲን ነቲ ሓደ ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት መገድታት ዓጽዩ ህዝቢ ብጥምየት ክምወት ተፈሪዱሉ ይርከብ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካን ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ናብ ትግራይ ክኣቱ ጸቕጢ ክገብሩ ዝጽውዕ ምዃኑ ካብ ኣሰናዳእቲ እቲ መደብ መስፍን ረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ። ሰልፈኛታት ናብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) በጺሖም። ድሒሮም’ውን ንግዳያት እቲ ኲናት ናይ ዝኽሪ ሽምዓ ኣብ ሓወልቲ ኣብሪሆም። ኣብቲ ሰልፊ ድጋፎም ንምርኣይ ባንዴራታት ሱዳን፡ ኤርትራን ክልል ኦሮምያን ዝሓዙ ምንባሮም’ውን ንምጽብጻብ ዝተሳተፈት ወኪልና ሳራ ፍስሃየ ሓቢራ። No media source currently available ሓባራዊ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃን ኢትዮጵያን ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ኣብ ግጭት ትግራይ ዝተሳተፉ ኩሎም ኣካላት ጥሕሰት ሕጊ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት፣ሕጊ ሰብኣዊነትን ስደተኛታትን ተፈፂሞም ኢሉ ከምዝኣምን ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላትን ዝወፀ ሓባራዊ ምርመራ ገሊፁ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ክፋል እቲ ፀብፃብ ዕቃበታትኳ እንተሃለዎከም ኣገዳሲ ሰነድ ተቐቢልናዮ ኣለና ኢሉ።ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ ብዝብል ዝፅዋዕ ኣካል ምምሕዳር ትግራይ እቲ ፀብፃብ ብቡዛሕት ፀገማት ዝተመልአ እዩ ኢሉዎ ኣሎ።መንግስቲ ኤርትራ እቲ ፀብፃብ ብዙሓት ናይ ሕጊ፣ናይ ኣሰራርሓን ቀዳምነ ዝውሃቦም ዓለምለኸ ደንብታትን ልምድታትን ሕቶታት ዘልዕል እዩ ኢሉዎ ኣሎ።ህይወትማን ራይትስ ዎች እውን ተሓታትነት ዘረጋግፅን ዓለምለኸ መስርሕ ምርመራ ከጣይሽ እዋኑ እዩ ኢሉ። ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሎሚ ዕላዊ ኣብ ዝገበሩዎ ውፅኢት ሓባራዊ ምርመራ እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዘስዓቦ ዘይሕጋዊ ቅልትለት፣ስቅያት፣ፆታዊ መድፈርትን ኣብ ፆታ መሰረት ዝገብረ መጥቓዕትን፣ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈፀሙ መግሃስታትን ንሰላማዊያን ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባልን መጥቓዕትታትን ዘርዚሩ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣመሪካ: ዜጋታታ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ መግለጺ ኣውጺኣ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ትማሊ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስእነት ጸጥታ ኣዝዩ ስለ ዝዓበየ፡ ኣመሪካውያን ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ መዘኻኸሪ ጽሑፍ ኣውጺኡ። ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ መጠንቀቕታ ናብ ደረጃ ኣርባዕተ (ማለት “ምግያሽ ኣቋርጹ”) ከደይቦ እንከሎ፡ ከም ምኽንያት ዝዘርዘሮ ድማ ዝካይድ ዘሎ ኲናት፡ ተደጋጋሚ ምቍራጽ መራኸቢታት፡ ገበናትን ተኽእሎታት መጭወይቲን ኢዩ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ምቅይያር፡ ጎንጺ ክለዓል ተኽእሎ ከም ዘሎ የጠንቅቕ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንዕ፡ ህጹጽ ናይ ሓደጋ ግዜ ኣዊጁ ምእዋጁ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ድማ ኣብ ከይዲ ናይቲ ናይ ሓደጋ እዋን ከጓንፍ ዝኽእል ምግማቱ ስለ ዘይከኣል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዜጋታቱ ቀልጢፎም ክወጹ ኣዘኻኺሩ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፈሪ ፈልትማን ንጽባሕ ሓሙስን ዓርቢ 5/6 ሕዳርን ናብ ኢትዮጵያ ዑደት መዲቦም ከም ዘለዉ ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድአ። እቲ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ኣመሪካ ብኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ኲናትን ሕንፍሽፍሽን ኣመና ከም ዝተሻቐለትን ብቐረባ ትከታትሎ ከም ዘላን ይጠቅስ። ወሲኹ ድማ ኵላቶም ኣካላት ፍልልያቶም ኣወጊዶም ጉዳያቶም ብዘተ ክፈትሑ ይጽውዕ። ኢዜማ ዜጋታት ካብ ሰብ-ሰርሖን ተፈጥሮኣዊን ዘጋጥሙ ሓደጋታት ገዛእ ርእሶም ክሕልው ኣተሓሳሲቡ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ዜጋታት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ኢትዮጵያ ብተፈጥሮን ሰብ ሰራሕን ዝኾኑ ምኽኒያታት ካብ ዘጋጥሙ ሓደጋታት ገዛእ- ርእሶም ክሕለው ኣተሓሳሲቡ። እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብብዙሓት ናይ ተፈጥሮን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ተኸቢባ እትርከበሉ እዋን ምዃኑ ይገልፅ።ኢዜማ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ይካየድ ዘሎ ኵናትን ነታ ሃገር ዓብይ ስግኣት ሰለ ዝኾነ ናይ ኩላትና ፍሉይ ጠመተ ዘድልዮ እዩ ኢሉ ኣሎ ። ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ ስራሕ ኣመራርሓ ኮሚሽን ኣብ መላእ ሃገር ዘጋጥሙ ጉድኣት ንንምጉዳልን ንምምካትን ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ'ውን ኢዜማ ወሲኹ ገሊፁ። ምብጻሕ ኣምባ.ኣመሪካ ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ ሃዋሳ-ኢትዮጵያ ኣመሪካ ንምዕባለን ተጠቃሚነትን ኣፍሪቃ ብዝዘርገሐቶ ዕድልን ዕብየትን ኣፍሪቃ(AGOA) ዝተባህለ ፕሮግራም ፣ ኣብ ኢንዱስትርያል ፓርክ ሃዋሳ ተቆጺረን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህይወተን ኣብ ምምሕያሽ ከምዝሓገዘ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጊታ ፓሲ ገሊጸን። ኣምባሳደር ፓሲ ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃባ ነቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሎሚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ። ኣመሪካ ዝኸፈተቶን ንዝቅጽሉ ኣርባዕተ ዓመታት’ውን ዝትግበር'ዚ ፕሮግራም፣ ኣቁሑት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ዕዳጋ ኣመሪካ ካብ ቀረጽ ናጻ ንክኣቱ ዘኽእል እዩ። ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣዎንታዊ ጽልዋ ከምዘሕደረ’ውን ዝመጸ ዜና ይሕብር። ኣምባሳደር ፓሲ ዛጊድ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ሶማሌ፣ ደቡብን ትግራይ መገሻ ከምዝፈጸማ ዝዝከር’ዩ ። ዒድ መውሊድ ብተኸተልቲ እስልምና ተኸቢሩ ውዒሉ መበል 1,496 መውሊድ ነብዩ መሓመድ \መውሊድ\ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ ውዒሉ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኸበረ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ጠቕላሊ ፕረዚደንት ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሓጂ ዑመር እድሪስ ናይ ሰላም ፃውዒት ኣቕሪቦም ኢሉ ክብል ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ጸብጺቡ። ዒድ መውሊድ ብተኸተልቲ እስልምና ሎሚ ሰኑይ 18 ጥቅምቲ ኣብ መላእ ኤርትራ ተኸቢሩ። ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ሜዳ ጃምዕ ኣልኹለፋን ኣል ረሺዲን ዝተኻየድ ስነ፡ስርዓት ነቲ በዓል ዘንጸባርቑ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ምድላዋት ቀሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ንህልው ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝምልከት ቃለ መጠይቕ ምስ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ካብ በበይኑ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋጽኡ ስደተኛታት ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ረዲኤት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ቀንዮም ኣለዉ። No media source currently available ዝበዝሑ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ከኣ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ካልኦት ምዕራብን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኰይኖም፡ ኣብ ሊብያ ንዘጓንፎም ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛን መጥቃዕቲን ከም ዝቃወሙ ይሕብሩ። ንሓደ ካብቶም ስደተኛታት ብቴለፎን ኣዘራሪብናዮ ኣለና፡ ንድሕነቱ ስሙ ዓቒብናዮ አለና ። ንቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ጨንፈር ሊብያ ክንረክብ ደጋጊምና ፈቲንና ኣይሰለጠን።ኣብ ዝቕጽል ግን ተኸታትሊና ሓበሬታ ከንስዕብ ተስፋ ንገብር። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ዜና’ውን እቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ዓመጻት “ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝምድብ’ዩ” ክብል ፍሉይ መርማሪ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹዎ ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ’ቲ ኮሚሽን ኣስታት 10 ሽሕ ዝበጽሑ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጽንኵር ኵነትን ስእነት መሰረታዊ ቀረባትን ኣብ ኣብያተ፡ማእሰርቲ ሊብያ ከም ዘለዉ የመልክት። ኣደታትን ህጻናት’ውን ብብዝሒ ኣብቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከቡ። ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት’ውን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሪፖሊ ዝርከቡ ቤት ጽሕፈቱ ዓጽዩ ምህላዉ ኣመልኪቱ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ደሴ ሰዓታት እቶ እቶ ምእዋጁ ተገሊጹ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደሴ ካብ ዝተፈቐደሎም ኣካላት ፀጥታ ወፃኢ ካብ ምሽት ስዓት ክልተ ጀሚሩ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ክልኩል ምዃኑ ክፍሊ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ እታ ከተማ ኣፍሊጡ። እቲ ዝወፀ መምርሒ ዝኾነ ይኹን ዘይተፈቐደ ሰልፍን ምትእኽኻብን ከምኡ እውን ታርጋ ዘይብለን መካይን ዝዝውሩን ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ ዝብል ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ። መበል 66 ኣኼባ ምክልኻል ኣንበጣ ምድረበዳ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኣስመራ ተጀሚሩ መበል 66 ስሩዕ ኣኼባ ውድብ ምክልኻል ኣንበጣ ምድረበዳ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሎሚ 4 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ-ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተጀሚሩ።ኣብዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ኣኼባ ናይ 2020/2021 ስራሕ ዓመት ብምግምጋም ናብ ዝቕጽል ዓመት መደብ ስራሕ ክሕንጽጽ ትጽቢት ይግበር።ኤርትራ፡ኢትዮጵያ፡ሱዳን፡ሶማል፡ኬንያ፡ደቡብ ሱዳን፡ጅቡቲ ታንዛንያን ኡጋንዳን ኣባል ሃገራት ናይቲ ውድብ እየን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ሓላፊ ረድኤት ሕ/ሃ ንኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ጥምየት ብዝምልከት 'እዘን ናይ ጽዕነት መካይን ኣንቀሳቕስዎን' ክብሉ ተማሕጺኖም ሓላፊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊትስ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዝጸንሓ ምዕፃው ኣብ ክልል ትግራይ ንዓሰርተ ሚእታዊት ጥራሕ ረድኤት ክባፃሕ ብምግዳድ ኣብቲ ብኵናት ዝተጎድአ ክልል ዓፀቦ ከምዘሎ ገሊፆም። ሓላፊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፍስ ትማሊ ሰሉስ ከምዝበልዎ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ጥምየት ኣትዩ'ሎ ኢሎም ከምዝሓስቡ ተዛሪቦም አለዉ። እቲ ክልል ንዳርጋ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ወግዓዊ ዘይኮነ ምዕጻው ከምዝርከብን ካብቲ ናብቲ ኹናት ዝሃሰዮ ክልል ክኣቱ ዘድሊ ረድኤት 10% ጥራይ'ዩ ኣትዩ ምህላውን'ውን ገሊጾም። ንሶም ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ሕቱኦም ቀሊል ምዃኑን ንሱ ድማ "እዘን ናይ ፅዕነት መካይን ኣንቀሳቕሱወን’’ ኢሎም። "እዚ ሰብ ዝሰርሖ ብናይ መንግስቲ ተግባር ይፍታሕ’’ እውን ኢሎም:: ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ንክልል ትግራይ ዝቆጻጸር ንዘሎ ህወሓት እሙናት ዝኾኑ ሓይልታትን ኹናት ዝተወልዔ ቅድሚ 10- ኣዋርሕ ዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሞይቶም ልዕሊ 1- ሚልዮን ሰባት ኸኣ ካብ ኣባይቶም ብሓይሊ ክሃድሙ ተገዲዶም'ዮም። ግሪፊስ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ሕቡራት ሃገራት ዝገበሮ ገምጋም ብምጥቃስ 400- ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ጥምየት መሰል ሓደጋ ከምዝነብሩ ኢና ገሚትና እኹል ረድኤት እንተዘይረኺቦም ኸኣ ናብ ዓጸቦ ክወድቑ' ዮም ኢሎም። ከምኡ ዝመስል ይኸውን ከምዘሎ'የ ዝሓስብ ዝበሉ ግሪፊስ ዘይወግዓዊ ምዕጻው ስለዘሎን ስእነት ነዳዲ ዘይቲ ገንዘብን ናይ ጽዕነት መኻይንን ስለዘሎ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ባይታ ዘሎ ኹነታት ብትኽኽል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ ኢሎም'ለዉ። ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ኢትዮጵያ ብወገኑ ዝኾነ ዝቀርብ ምዕጻው ዝብል ዘረባ መሰረት ኣልቦ'ዩ ኢሉ'ሎ። ጉጅለታት ረድኤት ከኣ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ከብጽሓ ዝኣተዋ መኻይን ጽዕነት ዳርጋ ኹለን ስለዘይተመልሳ ዋሕዲ መኻይን ጽዕነት ከምዘጋጠሞም ገሊጾም'ለዉ። ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ዝጸዓኑ ዘወርቲ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መኻይን ብዉሑዱ ክልተ ግዜ ትትኩስዎም ገለ ተጋሩ ዘወርቲ መኻይን'ዉን ኣብ ዓፋር ተኣሲሮም ደሓር ተፈቲሖም'ዮም ። ግሪፊስ ናብ ክልል ትግራይ ዝኸዳ ሓያለ ናይ ጽዕነት መኻይን ኣይተመልሳን እዚ ነቲ ሰብኣዊ ጸገማት ኣጋዲድዎ'ዩ ኢሎም: ወሲኾም ካብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ንነጀው ነዳዲ ዝጸዓና መኻይን ናብ ክልል ትግራይ ዝኸዳ የለዋን ኢሎም። ቀዳማይ ነገር ንኽመጹ ነዳዲ የብሎምን ክኸውን ይኽእል'ዩ ካልኣይ ነገር ከኣ ክመጹ'ዉን ኣይደልዩን ይኾኑ፤ ምክንያቱ ዝኾነ ይኹን እዚ ንስራሕቲ ሰብኣዊ ረድኤት ሳዕበኑ ጸገም'ዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ሕቡራት ሃገራት 16- መስከረም ከም ዝበሎ ካብ 12- ሓምለ ንነጀው ናብ ክልል ትግራይ ካብ ዝኸዳ 466 ናይ ጽዕነት መኻይን 38- ጥራይ'የን ተመሊሰን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሰሉስ ብቲዊተር ኣቢሉ ከምዝበሎ 61- ናይ ንግዲ ናይ ጽዕነት መኻይን ኣብ ቀረባ መዓልታት ካብ ክልል ትግራይ ከምዝተበገሳን ኣብ ዝመጻ ሰሙናት'ውን ተወሰኽቲ ክመጻ ትጽቢት ከምዝገብሩ ገሊጹ'ሎ። እቲ ትካል ወሲኹ ሰብኣዊ ረድኤት ንክባጻሕ ናይ ጽዕነት መኻይን ኣብ መንገዲ ምህላወን ብምርግጽ ንዘሎ ናይ ሎጂስቲክ ጸገም ንኽንዋጻኣሉ ምስ መጉዓዝያታት ምስራሕና ክንቅጽል ኢና ኢሉ'ሎ። ኣብ ክልል ትግራይ 90% ህዝቢ'ቲ ክልል ማለት 5.2 ሚሊዮን ረድኤት ከምዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ'ዩ። ሕቡራት ሃገራት ንትሕቲ 5 ዓመት ቆልዑ ኣብ ፈላማይ ፍርቂ መስከረም ኣብ ዝገበሮ ምክትታል 22.7% ጉድለት ኣመጋግባ ከምዘለዎምን ካብ 11- ሽሕ ነፍሰ ጾራትን ዘጥብዋ ኣዴታትን ኸኣ 70% ጽንኩር ጉድለት ኣመጋግባ ከምዘለወን ገሊጹ'ዩ። ንምንጽጻር ዝኣክል እዚ ማዕረ'ቲ ኣብ 2011- ዓ.ም ኣብ እዋን ጥምየት ሶማል ዝነበረ መጠን ጉድለት ኣመጋግባ'ዩ ክብሉ ግሪፊስ ገሊጾሞ'ለዉ። ናብ ክልል ትግራይ በብመዓልቱ 100- ናይ ጽዕነት መኻይን ክኣትዋ የድሊ ግን ኣብ ዝሓለፈ 3- ኣዋርሕ 10% ጥራይ'የን ክኣትዋ ክኢለን ዝበሉ ግሪፊስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ንኽኣቱ ኩነታት ከመዓራርይ ንዝኣተዎ ቃል ኽትግብሮ ንደሊ ኢሎም። ግሪፊስ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዓመታዊ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ተራኺቦም ኔሮም 'ዮም። ኣቶ ደመቀ መኮነን ረድኤት ምእታዉ ይመሓየሽ'ሎ ክብሉ ኣረጋጊጾምሎም'ዮም። ግሪፊስ ግን ኣዝዩ ዓብይ ብዝኾነ ተወሳኺ ክመሓየሽ የድሊ ኢሎም'ለዉ። እዚ ከምዚሉ ከሎ 30-ዓለምለኸን ከባብያዉን ትካላት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስን ቀወምቲ ወኪላት ባይቶ ጸጥታን ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ህውከትን ጥምየትን ከብቅዕ ህጹጽ ስጉምቲ ክወስዱ ዝሓትት ሓባራዊ ቅሉዕ ደብዳበ ጺሒፎም 'ዮም። እቲ ደብዳበ ካብ ሕዳር 2020 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ካብ ሓገዝን መራኸብን ተበቲኾም ዳርጋ ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ኩነታት ጥምየት'ዮም ዘለዉ ይብል። ሓደ ካብቶም ነቲ ደብዳበ ዝጸሓፉ ትካል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ምኽትል ፕረዚደንቱ ሃርዲን ላንግ ን'ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ እንግሊዝኛ ጃክሰን ምቩንጋኒ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ዕላማ'ቲ ደብዳበ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣፍልጦ ክረክብን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ወኪላት ባይቶ ጸጥታን ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝያዳ ጭቡጥ ስጉምቲ ንክወስዱ ተጽዕኖ ንምግባርን'ዩ ኢሎም። እቶም ምኽትል ፕረዚደንት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብፍላይ ኸኣ ኩሎም ኣብቲ ኹናት ዝዋስኡ ወገናት ሰብኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክገብሩን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ቀልጢፉ ነቲ ምዕጻው ክኸፍት'ዩ ድልየትና ኢሎም'ለዉ ። ብኻልእ ወገን እዚ ሕቶ ጸገም ምብጻሕ ረድኤት ክቀርብ ዘለዎ ጸገም እናፈጠረ ንዘሎ ኣካል'ዩ ክብላ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ፕሬስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቢልለኔ ስዩም ኣብ ቀረባ ተዛሪበን'የን። ቢልለኔ ስዩም ኣብቲ ዝሃበኦ መግለጺ "ንህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይበጽሕ ዝገብር ዘሎ ዘረፋ ዝፍጽምን ቀረብ ምግቢ ካብ ህዝቢ መንዚዑ ንኹናት ዘውዕሎ ዘሎ ህወሓት'ዩ" ኢለን። ሚኒስተር ሰላም ሙፈርያት ካሚል ኸኣ ብወገነን ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ሂበንኦ ኣብ ዝነበራ መግለጺ ናብ ክልል ትግራይ ረድኤት ንኽበጽሕ ዝሐልፈሉ ከይዲ ብዝያዳ ዝተሳለጠ ክኸውን ተገይሩ'ዩ፤ ንኣብነት ረድኤት ዝጸዓና መኻይን ንፍተሻ ጠጠው ዝብላሉ ነቁጣታት ካብ 9-ናብ 2- ወሪዱ'ዩ መንግስቲ ዝተመዓራረየ ኩነታት ፈጢሩ'ዩ ኢለን። ሎሚ ዝረኸብናዮ ዜና ኸኣ ሚኒስተር ሰላም ሙፈርያት ካሚል ሎሚ ምስ ዓለም ኸ ትካላት ኣከፋፈልቲን ኣቅረብቲን ረድኤት ተራኺበን ምዝርራበን ቤት ዕዮኤን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ። እቲ ቤት ዕዮኤን ዘውጽኦ መግለጺ ናብ ክልል ትግራይ በብዕለቱ ረድኤት ንምብጻሕ ሸቶ ዝተታሕዘ እንተኾነ'ካ ብምኽንያት ናብቲ ክልል ከይደን ዘይተመልሳ መኻይን ጽዕነት እቲ ስራሕ ምትዕንቃፉን: ትካላት ረድኤት ሓላፍነት ወሲዶም እተን መኻይን ግቡእ ኣመራርሓ ብምሃብ ከምዝምለሳ ከረጋግጹ ኣለዎም ኣብ ዝብል ምርድዳእ ተበጺሑ'ሎ ይብል ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቆቦ ተፈጺሙ ዝተባህለ ቅትለት ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ ተዋጋእቲ ህወሓት ኣብ ሰሜን ወሎ ከተማ ቆቦን ከባቢኡን ልዕሊ 600 ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተሉን ካልኦት ከበድቲ ግህሰታት ምፍጻሞምን ናይ መንግስትን ህዝብን ንብረት ምዕንዎም`ውን ግዳያት ተዛሪቦም። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ከምዝተሓሳሰቦ ሓጺር መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ። እቲ መግለጺ ኣብ መንበሪ ሲቪላትን ካብ ገዛ ናብ ገዛ ዝግበር ፍተሻን ቅትለትን ምዝራፍን ከምኡ`ውን ዕንወት ንብረት ከምዝወረደ ሓበረታ ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ኮሚሽን ዝገብሮ መርመራ ከምዝቕጽል ብምግላጽ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት ንሰለማውያን ሰባት ናይ ምሕላው ግዴታ ከኽብሩ ኣተሓሳሲቡ`ሎ። በቲ ግጭት ካብ ቆቦን ከባቢኡን ዝተፈናቐለ ህዝቢ ቁጽሩ ንምፍላጥ`ኳ ኣጸጋሚ ምዃኑ`ዩ ይግለጽ። መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ዝካየድ ዘሎ መርመራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባቸሌት ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ኣዋሰንቲ ክልላትን ይጋደድ ዘሎ ውጥረት ኣዚዩ ከምዘተሓሳሰበን ገሊፀን። ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ነባሪ መፍትሒ ከምጽእ ከምፅእን ሓገዝ ክገብርን ሓቲተን። ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብወገኖም ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ነዚ ግጭት እዚ ነባሪ ፍታሕ ንምሃብ ክሕግዝ እንተድኣደልዩ ንመንቀሊ ናይቲ ቅልውላው ምሉእ ብምሉእ ክርዳእ ኣለዎ ኢሎም። ንመበል 48 ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ሓባራዊ ምርመራ ዝበጽሖ ደረጃ ንምፍላጥ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሚሸል ባችለት ኣብ ዝገበረኦ መደረ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተላዕለ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ምስፍሑ ገሊጸን። ሚሸል ባችለት እቲ ጎንጺ ካብዚ ሓሊፉ'ውን ኣብ ሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰፍርሕ ይክእል'ዩ ኢለን። ነዚ ጠጠው ንምባል ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክገብሮ ኣለዎ ዝበልኦ ገሊጸን ለዋ። "ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ዘዳውባ ክልላት ዓፈርን ኣምሓራን በብግዚኡ እናተጋደደ ዝርከብ ውጥረት ኣዝዩ የሻቅለኒ'ዩ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ'ውን ነባሪ ናይ ዕርቂን ናይ ፍትሕን ከይድታት ኣብ መርህታት ሰብኣዊ መሰላት ተመስሪቱ ንኽፍጸም ክሕግዝ ኣለዎ። እቲ ናይ ፍትሒ ስርዓትን ማሕበራትን ሲቪክን ትካላትን ከምኡ'ውን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ንመጻኢ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንምክትታል ዘለዎም ብቅዓት ክሕይል ኣለዎ፤ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ'ውን እቲ ጎንጺ ጠጠው ንኽብል መጸዋዕታ ምቅራቡ ክቅጽል ኣለዎ። ኩሉ ዝሓቆፈ ፖለቲካዊ ልዝብ ንክካየድ ክደፍእ ኣለዎ። ኹሎም ወገናት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግን ምጥሓሶም ጠጠው ክብሉ መጸዋዕትኦም ክቅጽሉ አለዎም" ኢለን ። ብዝተፈላለየ ሜላታት ኣብ ጀነቭ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝተኻፈሉን ነቲ ሓባራዊ ምርመራ ናይ ዝመርሓ ኣካል ሓደ ክፍሊ ዝኾነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቀንዲ ኮሚሽነር ዶክተር ዳንኤል በቀለ ብወገኖም ንምስፋሕ'ዚ ጎንጺ ጥራይ ዘይኮነስ ንምስፋሕ መን ከምዝመርሖን እንታይ ጸገም ከምዘጋጥምን ነቲ ጉባኤ ኣረዲኦም። ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ወንጀላት ከምዘለዎ ኾይኑ መንግስቲ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ድሕሪ ምእዋጁ ሀወሓት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘሊቑ ብምእታው እቲ ኹናት ከምዝሰፍሓ ንኽልል ትግራይ ዝበጽሕ ቀረብ ረድኤት'ውን ዕንቅፋት ከምዝገጠሞ ገሊጾም። ድሕሪ'ዚ እቲ ጎንጺ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ'ዩ ኢልካ ምግላጽ ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሎም። ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ ኣብ ዘቅረብዎ ሓጺር ጸብጻብን መደምደምታን'ውን ከምዚ ኢሎም። ኮሚሽነር ዳንኤል በቀለ"ኣባላት ቤት ምኽሪን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ስቃይን መከራን ኢትዮጵያውያን ጠጠው ንምባል ዝኽእል ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ሎሚ'ውን ብትኽክል ክርድኡ ኣለዎም። እዚ መርህ'ዚ ልዕልና ሕጊ ዝብይን እንተኾነ'ኳ ናይ ዝኾነ ሰብ ናይ ምንባር ሸቶ'ውን እዩ። ኣብዚ ናይ ኹናት እዋን ከም ህዝብን ሃገርን ዝሓለፍናዮ ስቃይን መከራን ናይ ዝኾነ ፖሎቲካ ሸቶን ሓቀኛ መርህን ክትክኦ ኣይኽእልን። ዘለዋ ሃገርለኸ ሕግን ትካላትን ጉድለት እንተለዎ ካብ ዝኾነ መዓቀኒ ግቡእነት ዘለዎምን ብውሑዱ' ውን ካብ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላትን ካብዚ ኹናትን ንምውጻእ ነባሪ መፍትሒ ንምርካብ ዘኽእሉ መሳርሒ ምኻኖም ንምርዳእ ጥልቂ ዝኾነ ትሕትና ይሓትት። ስለዚ ንወገናት'ዚ ኹናትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን እዚ ትሕትና ክላበሱ ንላቦ" ኢሎም። ኣብዚ ጉባኤ ዝተሳተፍን ኣብቲ ቤት ምኽሪ መደረ ክገብሩ መደረኽ ዝተወህቦም ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ዶክተር ጊደዎን ጢሞቲዎስ ብወገኖም ውጺኢት'ቲ ምርመራ ብዝርዝር ንምፍላጥ ኣዋርሕ ምጽባይ ዘድሊ'ካ እንተኾነ ነቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ዝተገብረ ጻዕሪ ምርመራ ኣፍልጦ ሂቦም። ከም ሓደ በዓል ግደ መንግስቲ'ውን ንሙሉእ ጸብጻብ'ቲ ምርመራ ቅድሚ ብወግዒ ምግላጹ ሓቅታት ንምጽራይ መታን ክሕግዝ ብቀዳምነት ንመንግስቶም ክበጽሖ ትጽቢት ከምዝገብሩ ገሊጾም። ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽ መንግስቲ ድልው'ዩ ዝበሉ ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ብመንጽር'ዚ ካብ ዓለምለኸ ኣካላት መንግስቲ ትጽቢት ዝገብv ገሊጾም። እቶም ጠቅላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ "ኣብ ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ኩሎም ዝግብኡ ሰብ ግደ ሃናጺ ብዝኾነ መልክዕ ንምስራሕ ክንቅጽል ኢና። ብመዳይ ኣሸባሪ ሜላታት ምጥቃምን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንውትህድርና ምምልማልን ሰላማዊ ሰባት ብጅምላ ምቅታልን ከምኡ'ውን ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝፈጸሞ ዝተወደበ ዘረፋን ኣዝዩ ዝኸፍአ ምዕናው ተግባራት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላትን ክኹንንዎ ንጽውዕ። በዚ ዘሕዝን ኩነታት ህወሓት ወንጀለኛ ደኣምበር ግዳይ ከምዘይኮነ ዓለም ኩሉ ክፈልጥ ዘለዎ ግዜ ሕጂ'ዩ" ኢሎም ኣለዉ ። ኣብቲ ጉባኤ ንኽዛረባ መድረኽ ዝተዋህበን ዝተፈላለያ ሃገራት መርገጺኤን ገሊጸን'የን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ሃገራዊ ውድድር ሻምፒዮን ማውንተይን ባይክ ኤርትራ ተኻይዱ ብዩሲኣይ ኣፍልጦ ዘለዎ ሃገራዊ ውድድር ሻምፒዮን ማውንተይን ባይክ 2021 ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ተኻይዱ። ኣብ’ቲ ኣብ ክልተ መድረኽ ዝተኻየደን 130 ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎን ውድድር ብሉጽ ውጽኢት ዘመዝገቡ ጋንታታትን ተቐዳደምትን ናይ ገንዘብ፡መዳልያን ዋንጫን ሽልማት ከምዝተዋህቦም ህዝባዊ ርክባት ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ናብ ድምጺ ኣመሪካ ዝሰደዶ ሓበሬታ ይገልጽ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ሕ/ሃ ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ የንቆልቁል ምህላው ኣፍሊጡ ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ምንጽንቓቅ መግቢ ኣብ መኻዚኖታት ረድኤት፣ጥረ ገንዘብን ነዳድን ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክልል ትግራይ የንቆልቁል ምህላው ኣፍሊጡ። ተሓጋጋዚት ወሃቢት ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ፍሎረንሽያ ሶቶ ኒኞ ማርቲነዝ ትማሊ ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ናብ ክልል ትግራይ ብዓፋር ኣቢሉ ዘእትው እንኮ መንገዲ ሰመራ ኣብዓላ ብሰንኪ ናይ ፀጥታ ፀገም፣ቢሮክራሲያዊ ማሕለኻን ብድሆታት ሎጂስትኪስን ካብ 22 ነሓሰ ጀሚሩ ንልዕሊ 10 መዓልታት ምሕላፍ ኣይክኣልን ኢለን። ነባሪ ኣገልግሎት ንምሃብ መግቢ፣መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ቀረባትን ነዳዲን ዝፀዓና 100 ናይ ፅዕነት መካይን በብመዓልቱ ናብ ክልል ትግራይ ክኣትዋ ንግምት ኢለን።ካብ 12 ሓምለ 2021 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ካብቲ ዘድልይ ትሕቲ 10 ሚእታዊት ጥራይ ምእታው ገሊጸን'። ካብዚ በተወሳኺ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እንተወሓደ 200,000 ሊትሮ ነዳዲ የድሊ።ይኹን ደአ እምበር ካብ 12 ሓምለ 2021 ጀሚሩ 282,000 ሊትሮ ነዳዲ ከምዝኣተወን ካብ 16 ነሓሰ ጀሚሩ ድማ ዋላ ሓደ ሊትሮ ነዳዲ ከምዘይኣተወን ሓቢረን። ግጭት ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒኹ ኣብ ውሕስነት ምግቢን ምምዝባል ስቪላትን ፀገም ከምዝፈጠረ ኣብቲ መግለፂ ሓቢረን።ኣብዞም ከባቢታት እዚኦም ኣስታት 1.7 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት ፀገም ውሕስነት ምግቢ ገጢሙዎም ኣሎ። ኣብቲ ግጭት ይሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት በዚ ቅልውላው ንዝተተንከፉ ብእዋኑ፣ብዘይ ዓንቀፍቀፍ፣ብውሑስን ብዘላቕነትን ተበፃሕነት ክፈቕዱ ኣለዎም ኢለን ተሓጋጋዚት ወሃቢት ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ፍሎረንሽያ ሶቶ ኒኞ ማርቲነዝ። መበል 60 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተኸቢሩ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጀመረሉ ሓደ መስከረም፡ ኣብ ኤርትራ ተዘኪሩ ከም ዝወዓለ ልኡኽና ካብ ኣስመራ ጸብጺቡ። ኣብቲ ብድሮ እቲ በዓል፡ ማለት፡ 31 ነሓሰ ኣብ ኣደራሽ ሲነማ ሮማ ዝተኻየደ ጽንብል ዝኽሪ፡ ነቲ ዕለት ዘዘኻኽሩን ንምምጻእ ናጽነት ዝነበረ ጕዕዞ ዘነብጸባርቑን በበይኖም ባህላዊ ምርኢታት ቀሪቦም። ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን’ውን ብምኽንያት እቲ በዓል መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ። እቲ መግለጺ፡ ኤርትራን ህዝባን ዝሓለፉዎ ቃልሲ ንህላወ ድሕሪ ምዝርዛር፡ “ኣልማዛዊ ኢዮቤል ክንጽንብል ከሎና እምበኣር፡ ንባሕቲ መስከረም ከም ኣውድ-ዓመት መብጽዓ መጠን፡ መብጽዓታት ሰውራና ብምኽባር፡ ሓርነትና ዓቂብና፡ ንኤርትራ ከም ፍትሕን ልምዓትን ራህዋን ዝሰፈና ሃገር ንኽንሃንጻ መብጽዓና ከነሐድስ ግቡእ’ዩ፡” ኢሉ። ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1961 ብእድሪስ ዓዋተ ኣብ ዞባ ባርካ ኣብ ጎባ ኣዳል ከምዝተጀመረ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ። ሓላፊት USAID ሳማንታ ፖወር፡ ናብ ክልላት ዓፋር ኣምሓራን ተዘርጊሑ ዘሎ ሓይልታት ህወሓት ክስሕብ ጸዊዐን ከምኡ ዝመስል መጥቃዕቲ ነቲ ኲናት መጢጡ፡ ንስቅያት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዘናውሕ ድማ ኣጠንቂቐን ሳማንታ ፖወር ኣብ ናይ ትዊተር ጽሑፈን ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪተን ብሰንበት ኣብ ዝፈነወኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ትካለን ሓገዝ ንምብጻሕ ዝከኣሎ ይገብር ከም ዘሎ ድሕሪ ምምልካት፡ ናብ ክልላት ዓፋር ኣምሓራን ተዘርጊሑ ዘሎ ሓይልታት ህወሓት ክስሕብ ጸዊዐን። እተን በዓልቲ-ስልጣን፡ ትካል USAID ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ በቲ ዂናት ንዝተጸልዉ ኣስታት 136-ሽሕ ህዝቢ ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን፡ ሓገዝ ከባጽሕ ምዃኑ ኣፍሊጠን። ወሲኸን ድማ ኣብ ዝፈነወኦ መልእኽቲ ትዊተር፡ እቶም ሰላማውያን ሰባት ብሰንኪ’ቲ ብማእከላይ መንግስቲ “ኣሸባሪ” ዝተሰምየ ሓይልታት ህወሓት ከም ዝተመዛበሉ ድሕሪ ምምልካት፡ ሓይልታት ህወሓት ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ ስፍራታት ክስሕቡ ጸዊዐን። ከምኡ ዝመስል መጥቃዕቲ ብዘይካ’ቲ ነቲ ኲናት ምምጣጥን ስቅያት ህዝቢ ምንዋሕን እምበር ካልእ ፋይዳ የብሉን ክብላ’ውን ሳማንታ ፖወር ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽተን ወሲኸን። 'ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ንምግማቱ ዘይከአልን ተአፋፊን'ዩ' ሕ/ሃ ምንቅስቃስ ህወሓት “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዮም ዝብሎም ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝቀጸለሉ እዋን፣ ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ሎሚ’ውን ምግማት ዘይካኣልን ተአፋፍንን ኮይኑ ከምዘሎ ቢሮ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ኩነታት ሕ/ሃ(ኦቻ) አፍሊጡ። ናብ’ቲ ክልል ንምእታው ሎሚ’ውን ኣጸጋሚን እቲ እንኮ መተሓላለፊ ብወገን ክልል ዓፋር ኮይኑ ከምዘሎ፣ ሰብኣዊ ጠለባት ንምምላእ፣ ዕለታዊ 100 ናይ ጽዕነት መካይን ክብገሳ ከምዝግባእን ኦቻ ሓቢሩ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ 318 ናይ ጽዕነት መካይን ጥራሕ ናብ ክልል ትግራይ ከምዝኣተዋ ዝጠቅስ ኦቻ፣ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ገዚፍ ብድሆ ንምቅላል ብመንጽር ዘሎ ጠለብ ኣዝዩ ዝታሓተ እዩ ይብል። ብዘይካ'ዚ፣ ሰብኣዊ ስራሕ ብሕጽረት መጠን ክዙን መግቢ፣ ገንዘብ፣ ኣገልግሎት ባንኪ፣ ነዳዲን ቴለኮሚኒኬሽንን ምሒር ተጎዲኡ ከምዘሎ ተሓቢሩ'ሎ። ሳላ ካብ አዲስ አበባ ንመቀለ አዲስ አበባ ዝተኸፈተ ኣገልግሎት በረራ ነፈርቲ ሕቡራት ሃገራት ግና ምቅይያር ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተማሓይሹ ኣሎ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 457 ሰራሕተኛታት ሕ/ሃ አለው ኣብ ክልል ትግራይ ምህላዎም ይግለጽ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ክልል ትግራይ ዝብገሳ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝጻዓና መካይን፣ ብሰንኪ ዝተናወሐ መስርሓት ፍተሻን ፈቃድ መሕለፊን የጋጥመን ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ያሪክ ገሊጹ። ስቴፈን ያሪክ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ መዓልቲ ክሳብ 30 ዝኾና መካይን መስርሐን ወዲኤን ክሓልፋ ከምዝኽእላ፣ ደጋጊምና ከምዝበልናዮ፣ ክኾን ዝነበሮ ግና 100 መካይን ናይ ጽዕነት መዓልታዊ ናብ v ትግራይ ክንቀሳቀሳ እዩ ድልየትና" ኢሎም። ንሶም ነቲ ወሪዱ ዘሎ ሰብኣዊ ጠለብ ንምምላእ ምስ መሻርኽትና ሓቢርና ንምስራሕ ቅሩባት ኣለና ይብሉ ። 29 ተንቀሳቀስቲ ማእከላት ሕክምናን መግብን መሰረታዊ ኣገልግሎት ይልግሳ ከምዘለዋ፣ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ሕክምናዊ ምኽሪ ኣብ 72 ትካላት ሕክምና 47 ካምፕታት ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ሓገዝ ይልግሳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ ። ኣብ ኢትዮጵያ ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ይእሰሩን ኣብያተ ንግዶም ይዕጸው ኣሎ ክብል ሂማን ራይትስ ዎች ገሊጹ ብመንነቶም እናተፈለዩ ተወለድቲ ትግራይ ይእሰሩ ፣ ኣብያተ ንግድታቶም'ውን ይዕፀዉ ኣለዉ ክብል ሂማን ራይትስ ዎች ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርት ሓቢሩ ። ካብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ "ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ተኣሲሮም" ንዝበሎም ተወለድቲ ትግራይ ኣበይ ከምዝርከቡ ከፍልጥ፣ ንዝተከሰስሉ ገበን ክግለጽ ከምኡ'ውን ጭቡጥ ሓበሬታ ዘይተረኽበሎም ድማ ክፍትሑን ኣተሓሕዛ ኣድልዎ ጠጠው ክብልን ክብል ንሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ምሕታቱ እቲ ሪፖርት ወሲኹ ገሊጹ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ኣመሪካ: ኣብ ኢትዮጵያ ተዋጋእቲ ሓይልታት ተጻብኦታት ደው ከብሉን ልዝብ ከካይዱን ጸዊዓ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ይዋግኡ ዘለው ሓይልታት ልዝብን ምቁራፅ ተፃቦታትን ክፈጥሩ ንፅውዕ ኢሎም ።ንሶም ነዚ ዝበሉ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ሃገራዊ ፃውዒት ኵናት ምእዋጆም ብዝምልከት ተሓቲቶም ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ እዩ። ኔድ ፕራይስ ካብ ኣምባሳደር ሳማንታ ፓወር ዝቐረበን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ እውን ዝሰምዑዎን ፃውዒት ብምጥቓስ መልእኽትና ክቕፅል እዩ ኢሎም። ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግ ጋዝ ኣመሪካ(USAID) ሳማንታ ፓወር ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገሻሉ እዋን ኣብ ዝሃብኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ተባራዓይ መደረ ኩሎም ወገናት እቲ ግጭት ንከብቅዕ ናብ ክቢ ጠረጴዛ ክመፁ ከቢድ ይገብሮ እዩ ምባለን ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራይዝ "ንሕና ከም እንሪኦ እቲ ጠመተ ንኹሉ ዝሓወሰ ሰላም ንምፍጣር ብፍላይ ድማ ስቓይ ሰላማዊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንከብቅዕ ልዝብ ክካየድ ኣለዎ" ኢሎም ። ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ምህላዎም ሓቢሩ ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያን ብዝቐፀለ ውግእ ተወሰኽቲ ሰባት ካብ መረበቶም ይሃድሙ ከምዘለውን ኣብ ደቡብ ምብራቕ ሱዳን ተዓቒቦም ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ገሊፁ። ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል መግቢ፣ፅሩይ ዝስተ ማይ፣መፀለሊን ሕፅረት ፅርየትን ከምዘሎ፤ብሕፅረት ኣመጋግባን ሕማማትን ዝሳቐዩ ሰባት ብዝሖም እናወሰኸ ይኸይድ ምህላውን ወሲኹ ሓቢሩ። ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት ዝናብ ገለ ስደተኛታት ናብ ካልእ ከባቢታት እታ ሃገር ንምግዓዝ ሓደገኛ ጉዕዞ የካይዱ ምህላዎምን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ገሊጹ'ሎ። ካብ ሕማቕ ኩነታት መነባብሮ ብተወሳኺ ብኣሽሓትዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ቴሌኮምኒኬሽን ብዘይምህላው ኣባላት ስድርኦም ክረኽቡ ስለዘይክኣሉ ብዙሓት ብጭንቀት ኣእምሮ ይሳቐዩ ምህላዎምን ተገሊጹ'ሎ። ኣብ ትግራይ እቲ ቅልውላው ካብ ዝጅምር ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ንኣስታት 22,200 ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ካልኦት ኣባላት ስድራን ዕዉት ናይ ስልኪ ርከብ ፈጢሩሎም ኣሎ።ግን ልዕሊ 20,000 ዘይዕዉት ናይ ስልኪ ርክብ ፈተነ ገይሩ ኣሎ። ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር 'ሓይልታት ትግራይ' ከም ዘላ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ከም ዝሓበሩዎ፡ ታሪኻዊት ስፍራ ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር’ቲ ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ግን “ኣሸባሪ” ተባሂሉ ዝተሰመየ ጕጅለ ከም ዝወዓለት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። ነባሮ ላሊበላ ንሮይተርስ ከም ዝሓበሩዎ፡ ምልውዋጥ ተዅሲ ደኣ ኣይንበር እምበር፡ ሓይልታትን ሚሊሻን ኣምሓራ ለቒቖም ድሕሪ ምኻዶም እቲ ስፍራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣንጻር ሓይልታት ኣትዩ ኣሎ። ሓንቲ ኣብ መዝገብ ቅርሲ ትካል ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠትን ባህሊን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ዝዀነት ላሊበላ፡ በቶም ኣብ ከባቢ ወሎ ዝነብሩ ኣስታት 5 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ቅድስቲ ስፍራ’ያ እትሕሰብ። ቅድሚ ውሑድ ሰሙናት ኣብ ክልል ትግራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን’ውን ብምልሓሙ፡ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም ኣለዉ። ንኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ዑደት ምብጻሕ ዝገበሩ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣመሪካን’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ኲናት ሻቕሎቶም ገሊጾም ነይሮም። ካብ ነባሮ ላሊበላ ዝዀነ ሰይፉ፡ ብስልኪ፡ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ተዛረብቲ ትግርኛ፡ ብሓሙስ ኣብታ ከተማ ከም ዝረኣየ ኣካፊሉ። ብኣገላልጻ ሰይፉ፡ ኣብቲ ከተማ ዝውቱር ዘረባ ኣምሓርኛ ደኣ ይዅን እምበር፡ ትግራኛ ምዝራቦምን ካብ ወተሃደራት ፈደራል ዝተፈልየ ወተሃደራዊ ልብሲ ተኸዲሞ ምንባሮምን ለውጢ ከም ዘሎ ተገንዚቡ። ብመሰረት ሓበሬታ ሰይፉ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ፈደራልን ምስ ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ብረቡዕ ምሸት’ዮም ነታ ከተማ ለቒቖም። ሰይፉ“እንተ ክኢሎም ክጸንሑ፡ ንሱ እንተ ዘይገይሮም ከኣ መከላኸሊ ነብሲና ዝኸውን ከላሺን ክገድፉልና ለሚንናዮም፡ ኣይሰምዑን ግን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ሓሙሽተ ኣምቡላንሳትን ካልኦት ዓበይቲን ንኣሽቱን መካይን ሒዞም ከይዶም። እናሃደሙ፡ ጸኒሖም ንሰላማዊ ህዝቢ ክከላኸልሉ ዝለመኖም ዓርከይ፡ ተኲሶም ቀቲሎሞ፡” ይብል። ካልእ፡ ዳዊት ዝተባህለ ነባሪ ላሊበላ’ውን፡ እቶም ኣንጻር ሓይልታት ክኣትዉ ይቀራረቡሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብሓሙስ ንግሆ ሃዲሙ ከም ዝወጸ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ነጊሩ። ምስ 200 ዝዀኑ ነበርቲ ሃዲሞም ብእግሮም ከም ዝተጓዕዙ’ዩ ዳዊት ዝነግር። ነቲ ብመሰኻኽር ዓይኒ ዝተባህለ ሓበሬታ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ብናጻ ምንጪታት ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ወሃብቲ-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተርን ንክልል ትግራይ ዝመርሑ ዘለዉ ሓይልታትን ንምርካብ ኣይሰለጠን። ዳኒኤል ዝተባህለ ካልእ ነባሪ ላሊበላ’ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ናብታ ከተማ ክኣትዉ ከም ዝረኣየ መስኪሩ። ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ዝርከቦ ኣከባቢ ሃዲሙ ከም ዝተዓቝበ ዝሓበረ ዳኒኤል፡ ኣብታ ከተማ ቈልዓ-ሰበይቲ ጥራይ ከም ዝተረፉ ይነግር።ኣንጻር ሓይልታት ክኣትዉ ከለዉ ውግእ ከም ዘይነበረ ከኣ ዳኒኤል ይውስኽ። ነቲ ታሪኻዊ ቅርሲ ከይትንክፉ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንሓይልታት ትግራይ ብሓሙስ ኣዘኻኺሩ ኣሎ። ኣመሪካ፡ በቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ደጋጊማ ሻቕሎታ ከተስምዕ ጸኒሓ’ያ። ወሃብ ቃል ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ነድ ፕራይስ፡ “ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከም ዘላ ጸብጻባት ኣንቢብና። ንህወሓት ነቲ ታሪኻዊ ቅርሲ ከይትንክፉን ክከላኸሉን ከኣ ንጽውዕ፡” ኢሉ። ላሊበላ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ኢትዮጵያ’ያ። ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ግን ቍጽሪ በጻሕቲ ኣመና ከንቈልቍል’ዩ ጸኒሑ። ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ፡ ፋንታ ማንደፍሮ፡ ንዅነታት ላሊበላ ኣመልኪቱ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ብሓሙስ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ላሊበላ ካብታ ርእሰ-ከተማ’ቲ ክልል ዝዀነት ባህርዳር 310 ኪሎ-ሜተር ወይ ድማ 190 ማይልስ’ያ ርሒቓ እትርከብ። ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰ.ኣመሪካ ኣብ ኮሎራዶ ተካይዱ(2ይ ክፋል) ፌስቲቫል ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)፣ ዝሓለፈ ሰሙን ንሽዱሽተ መዓልታት ዝቀጸለ ዓመታዊ ፌስቲቫል ኣብ ኣመሪካ፣ ዴንቬር ኮሎራዶ ከምዘካየደ ዝዝከር እዩ። መበል 47 ዓመት ምስረታ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ’ውን ዝተጸምበለሉ እቲ ፌስቲቫል ዝተፈላለዩ መደባት ተሰላሲልሉ፣ ሓባራዊ ምርድዳእ’ውን ከምዝተበጽሐሉ ተሳተፍቲ’ቲ ፌስቲቫል ይዛረቡ። ምክትል ኣቦ መንበር ማተሰኣ ኤልያስ ጎደፋይ፣ ካብ ተሳተፍቲ ኣቶ መርስኤ ኪዳነን ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ካልኣይ ክፋል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ናብ ትግራይ ምብጻሕ የጸግም ኣሎ ናብቶም ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ዝግመቱ ነበርቲ ክልል ትግራይ፡ ረዲኤት መግቢ ምብጻሕ ኣሸጋሪ ኰይኑ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናብቲ ሓገዝ ዝወሃበሎም ቦታታት ዘየተገደበ መስመራት ክኽፈተሉ ደጋጊሙ ይምሕጸን ኣሎ። ብነፈርቲ ዝግበር ምዕዳል ሓገዝ ዘወሃህዱ 30 ሰራሕተኛታት፡ ድሕሪ ነዊሕ ብኩራት በረራት ኣየር፡ ንመቐለ ምእታዎም፡ ንኣካየድቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘተስፉ ዜና’ዩ። መጠን ተጸባይቲ ረዲኤት ኣዝዩ ዓቢ ብምዃኑ ግን ኪንዮኡ ዝኸይድ ጠለባት የድልይ'ዩ። ብዳርባ ነፈርቲ ዝወሃብ ሓገዝ ንምውህሃድ ፍቓድ ዝተዋህቦም 30 ሰራሕተኛታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሓሙስ’ዮም ናብ መቐለ ኣትዮም። ሲቪላዊ በረራት ብ23 ሰነ ድሕሪ ምቍራጹ እቲ በራር ድሕሪ ናይ ወርሒ ብኵራት ፈላሚ ምዃኑ’ዩ። እቲ እዋን ሰሙናት ድሕሪ ፈደራላዊ መንግስቲ በይኣንኣዊ ስጕምቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝጸወዓሉ፣ ብቐንዱ ድማ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ሸሞንት ኣዋርሕ ኣብ ዘቝጸረሉ’ዩ። ሓይልታት ትግራይ ቀልጢፎም ንመቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ንመዓርፎ-ነፈርቲ’ውን ተቖጻጺሮሞ’ዮም። ወሃብ-ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቶምሶን ፊሪ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ በረራታት ናብ መቐለ ከካይዱ ምዃኖም ይሕብር። ብኣገላልጻኡ ድማ፡ እቲ በረራታት፡ ንሰብን ንዋትን ኣብ ምጕዓዝ ወሳኒ ተራ ክህሉዎ’ዩ። “እዚ ዘሕጕስ ደኣ ይዅን እምበር፡ ካልእ ባህ ዘየብል ወረ’ውን ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ስእነት መሳለጥያታት ኣዝዩ ጕሁይ’ዩ። ብዅረት መራኸቢታትን መሰረታዊ ንግዳዊ ልውውጥን ኣብ ዘይብሉ እዋን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ምክያድ ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ።” ሽሕ’ኳ ስእነት መሰረታዊ መሳለጥያታት ዝፈጠሮ ምስንኻላት እንተሎ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኣስታት 730-ሽሕ ተጸብይቲ ሓገዝ ከም ዝበጽሐ ይሕብር። እዚኣቶም መብዛሕትኦም ኣብ ደቡብን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ ዝርከቡ’ዮም። ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ኣስታት 80-ሽሕ ህዝቢ ሓገዝ ከባጽሕ ተስፋ ከም ዘለዎ እቲ ትካል ብመገዲ ኣፈኛኡ ሓቢሩ። ብኣገላልጻ ወሃብ ቃል፡ ፊሪ፡ እቲ ዝርአ ዘሎ ገስጋስ ጽቡቕ ደኣ ይዅን እምበር፡ ናጻ፡ ዘይተገደበን ቅልጡፍን መሳለጢታት ምስ ዝቕረብ ጥራይ’ዩ ናብቶም ኣስታት ሚልዮን ዝበጽሑ ደለይቲ ናይ ህይወት-ኣድሕን ሓገዝ ክባጻሕ ዝከኣል። ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ጨንፈር ውሕስነት መግቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 400-ሽሕ ነበርቲ ክልል ትግራይ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም፡ ብኸቢድ ደርቂ ክጥቅዑ ምዃኖም ኣሚቱ ነይሩ። “ሸሞንት ኣዋርሕ ድሕሪ ዝወሰደ ኲናት ኢና ንዛረብ ዘሎና። ህዝቢ ከኣ ሓሪሶም ምህረቶም ክሓፍሱ ዕድል ኣይረኸቡን። ዝበዝሑ ኣይዘርኡን። ኣብ ገዛ ዝብላዕ ዝተረፎም የሎን። መኽዘናት እኽሊ ተዘሚቱ’ዩ። ካልኦት ከኣ ተመዛቢሎም’ዮም። ገሊኣቶም’ሲ ሓንሳብ’ውን ጥራይ ኣይኰኑን። ስለዚ ኣብ ሕማቕ ኵነታት’ዮም ዘለዉ። ኣብ ባይታ ዘለዉ መሳርሕተይ ይሕብሩኒ ከም ዘለዉ ከኣ’ሞ ካብቲ ዝተፈርሖ’ውን ዝኸፍእ’ዩ። ዓጸቦ ዝወለዶ ስእነት ጥዕና ክዓቢ’ዩ።” ንሱ ወሲኹ፡ ትካሉ ናብ ኣስታት 2.1 ሚልዮን ነበርቲ ክልል ትግራይ ሓገዝ ከብጽሕ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ይገልጽ። እዚ እናዀነ ግን ረዲኤት መግቢ ዝጸዓና 200 ዓበይቲ መካይን፡ ሰመራ ኣብ ዝተባህለ ርእሰ-ከተማ ክልል ዓፋር ተዓጊተን ከም ዘለዋ ይጠቅስ። ብኽልል ዓፋር ኣቢለን ይጓዓዛ ኣብ ዝነበራ ናይ ረዲኤት መካይን፡ ብሰንበት ድሕሪ ዝወረደን መጥቃዕቲ፡ እቲ ትካል፡ ብመገዲ ክልል ዓፋር ምጕዓዝ ደው ከም ዘበሎ ኣመልኪቱ ነይሩ። ብኣገላልጻ ፈሪ፡ እተን ተዓጊተን ዘለዋ ናይ ሓገዝ መካይን፡ ፍቓድ ጸጥታ ምስ ተወሃበን ናብ ክልል ትግራይ ከምርሓ ኢየን። ቃለ መጠይቅ ምስ በዓል ሞያ ሕጊ አብ ጉዳይ ኣብ አዲስ አበባ ዝተአስሩን ትካላቶም ዝተዓሸገ ተወላዶ ትግራይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ‘ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ኣብ አዲስ አበባ ከምዝተኣሰሩን ንግዳዊ ትካላቶም ከምዝተዓሸጉን’ ገሊጾም እዮም። ነባሪ አዲስ አበባ በዓል ሞያ ሕጊን ዝኾነ ጋሻና ‘እቲ ብሚድያታትን ተሓለቅቲ መሰላትን ዝተገለጸ ስጒምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቂ ከምዝኾነ’ ኣረጋጊጹልና ኣሎ። ምስ በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ተስፋ አለም በርሀ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ካልኣይ ዙር ምምላህ ግድብ ህዳሴ ተዛዚሙ ካልኣይ ዙር ምምላህ ግድብ ህዳሴ ሎማዕንቲ ምዝዛሙ ተገሊፁ።ብኽልተ ተርባይናት ሓይሊ ምምንጫው ከምዝክኣል እውን ተሓቢሩ ኣሎ።ናይ ኢትዮጵያ ምንስቴር ማይ፣መስኖን ኢነርጅን ዶክተር ስለሺ በቀለ ናይ ክረምቲ ዝናብ ዝለዓለ ብምዃኑ እቲ ግድብ ብቅልጡፍ ከመልእ ከምዝኽኣሎ ብምሕባር ድሕሪ ሕዚ ክሳብ ዝቕፅል ሰለስተ ኣዋርሕ ሓይሊ ናይ ምምራት ቀፃሊ ዕማም እዩ ኢሎም። ካልኣይ ዙር ምምላእ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሎሚ 12 ሓምለ 2013 ዓ\ም ምዝዛሙ ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።እቲ ግድብ መሊኡ ብዝባኑ ክፈስስ ከሎ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ዝተዓዘቡ ናይ ኢትዮጵያ ምንስትሪ ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ምንስተር ዝኾኑ ዶክተር ስለሺ በቀለ ብኽልተ ተርባይናት ሓይሊ ምምንጫው ክጅምር ዘኽእሎ እዩ ኢሎም። ‘’ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን እንኳዕ ሓጎሰኩም ክብል እደሊ’’ ዝበሉ ንሶምሎሚ ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ቀስ ብቐስ እናመልአ ሕዚ ብዝባን እናፈሰሰ እዩ ዘሎ ኢሎም። ‘’ብኽልተ ተርባይናት ሓይሊ ንምፍራይ ዘኽእለና መጠን ማይ ምሉእ ብምሉእ ክንሕዝ ኣኽኢሉና ኣሎ’’ ኢሎም ። ናይ ክረምቲ ዝናብ ዝለዓለ ብምዃኑ እቲ ግድብ ብቅልጡፍ ከመልእ ኣኽእሊዎ እዩ ኢሎም ብምዋኽ። ብሰንኪ እዚ ግድብ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ዝለዓለ ዘይርምድዳእ ኣሎ። ታሕተዎት ተፋሰስ ግብፅን ሱዳንን ሕፅረት ማይ ሓዊሱ ጉድኣት ክወርደና እዩ ክብላ ብተደጋጋሚ ይገልፃ።ግን እቲ ግድብ ይመልእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዋሕዚ ናይቲ ማይ ኣይተሰናኸለን ጥራሕ ከይኮነስ ክፍጠር ዝነበረ ምዕልቕላቕ ክተርፍ ገይሩ እዩ ኢሎም። ንሓዋሩ እውን ሚዛናዊነት ዋሕዚ ናይቲ ማይ ብምዕራይ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ዝዓበየ ረብሓ ክህልዎ እዩ ኢሎም ብምውሳኽ። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኤርትራዊ ኣልኣዛር ኣብርሃምን ኢትዮጵያዊ ጉግሳ ወርቅነህን ኣብ ህልው ኩነታት ክልል ትግራይ ድሕሪ ምውጻእ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምላስ ሓይልታት ትግራይን፡ ኩነታት ክልል ትግራይ ናበይ ገጹ የምርሕ ዝብልን ተዛማዲ ጉዳያትን ብዝምልከት፡ ኣቶ ኣልኣዛር ኣብርሃም ካብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ፡ ኣቶ ጉግሳ ወርቅነህ ካብ ኦታዋ ካናዳ ይኻትዑ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available No media source currently available መግለጺ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣብ እዋናዊ ኩነታት "ወልቃይት ፣ ፀገዴን ራያን ደጊምካ ብሓይሊ ንምውሳድ ዝግበር ምንቅስቃስ ብወገን ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኣምሓራ ተቀባልነት የብሉን" ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣገኘሁ ተሻገር ተዛሪቦም ። ንሶም ወሲኾም ንዝግበሩ ፈተነታት ክልሎም ተዳልዩ ከምዝፅበ'ውን ሓቢሮም ። እቶም ኣመሓዳሪ ነዚ ዝበሉ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ይውፃእ ክብል ህወሓት ንዘቀመጦ ቅድመ ኹነት ስዒቡ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሓዳሪ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ብቴሌፎን ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ክልል ትግራይ ንኽወፁ ኣተሓሳሲቦም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።​ No media source currently available ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ንዝተባህለ ቕትለት መልሲ ሂቡ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ጨንፈር ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተፈጺሙ ዝተባህለ ቕትለት ከም ዝሰምዓ ገሊፁ “ከምዚኦም ዝበሉ ፀብፃባት ኣኽቢድና ኢና ንርእዮም ብኡ ንብኡ’ዉን ኣብ ሽረ ምስ ዝርከቡ ኣባላትና መሻርኽትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ርክብ ጌርና’ኢና ። ዛጊት ግን ነቲ ዝተባህለ ኸነረጋግፆ አይከኣልናን” ኢሉ’ሎ። ኣቐዲሙ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ "ህወሓት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ከይተረፈ ቁጽጽር ኣብ ዘይብሉ ህልቂት ሰላማዊያን ሰባትን ናይ ሕነ ምፍዳይ ቅትለት ይፍጽም ኣሎ:እንተኾነ ግና እዞም ግፍዕታትን ዘይሕጋዊ ስጉምቲታት ህወሓትን ብሓፈሻ ከም ኦቻን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝአመሰላ ብፖለቲካዊ መርገጺ ዝምርሑ ትካላት ሕቡራት ሃገራት: ገለ መንግስታትን መሓውራት ዜና ክግለጹ ኣይረኣይን" ምባሎም ይፍለጥ:: ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምዝርራቦም ተገሊጹ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብልንክን ሎሚ ሰሉስ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ። ብመሰረት’ቲ ዜና "እቶም ሚኒስትር ወጻኢ፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ህጹጽ፣ ነባሪን ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተጻብኦን ብኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣስሚሮምሉ" ኣለው። እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ናብ ትግራይ ዘስግሩ ድልድላት ምስባሩን ካልኦት ዕንቅፋታትን ኮኒኖም። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ነቲ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ዝዘተየሉ ኣጀንዳ ተገዳስነት ከርእዩ ኣንተንይ ብልንክን ጸዊዖም። ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ክልል ትግራይ፣ ሙሉእ፣ ውሑስን ዕንቅፋት ዘይብሉን ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ይጽበ ዘሎ ህዝቢ፣ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዒን ዝፈጸሙ ብነጻ ኣካል ንክጻረን ፈጸምቱ ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ፣ከምኡ'ውን ውሽጣዊን ደጋዊን ዶብ ኢትዮጵያ ብዝኾነ መልክዕ ብሓይሊን ንሕገ መንግስቲ ብዝጣሓሰ መገዲ ክልወጥ ከምዘይግባእን ኣዘኻኪሮም። ብተወሳኺ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተንይ ብልንክን፣ ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ምስላጥ ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጉላህ፣ ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ዓሌታዊን ፖለቲካዊን ምክፍፋል ንምፍታሕ ዘለዎ ተራ ኣትሪሮም ገሊጾም ኣለው ። ስነ ስርዓት ቀብሪ ዶ/ር ኣበበች ጎበና ተፈጺሙ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዶ/ር አበበች ጎበና፣ ኣብ ካቴድራል ስላሴ አዲስ አበባ ሎሚ ሶሉስ ተፈጺሙ። ኣብ’ቲ ስነ ስርዓት፣ ንሰን ዘዕበዮኦም ቆልዑ፣ ኣዝማድ፣ መንግስታዊ ሰበ ስልጣን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ነበርቲ’ታ ከተማን ተረኺቦም ነይሮም። ከንቲባ’ታ ከተማ ኣዳነች ኣበቤ "ስራሓት ዶ/ር ኣበበች ጎበና ክንቅጽሎ ኢና" ከምዝበላ ዝመጸ ዜና ጠቂሱ። ናይ ክብሪ ዶክትሬት ዝተቀበላ ኣበበች ጎበና ብሰንኪ ኮቪድ 19 ሓሚመን ኣብ ሆስፒታል ከምዝቀነያን 27 ሰነ ኣብ መበል 85 ዓመት ካብዛ ዓለም ምሕላፈን ይፍለጥ። አማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ዓረብ ኢማራት ኣብ ክልል ትግራይ ምቑራጽ ተኹሲ ክግበር ዘካየደቶ ስራሕ ናእድኡ ገሊጹ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጀይክ ሱሊቫን ትማሊ ምስ ልዑል ኢማራት ዓረብ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናሕያን ብስልኪ ምዝርራቡን፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ምቁራጽ ተኹሲ ክግበርን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክመጽእን ንዝገበረቶ ስራሕ ናእድኡ ምግላጹ ወሃቢት ቃል ሃገራዊ ጸጥታ ኤሚሊ ሆርን ሓቢራ። ሱለቫንን ልዑል መሓመድን ኣብ ትግራይ ዝርከብ ብጥምየትን ዋሕዲ መግብን ዝሳቐ ህዝቢ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ብዛዕባ ምብጻሕ ዘሎ ህጹጽነት`ውን ተዘራሪቦም ኣለዉ። እቲ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ናብ ኢማራት ዓረብ ታሪኻዊ ምብጻሕ ምግባሩን ኣብ ኣቡዳቢ ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ዱባይ ድማ ቆንስላ ምኽፋቱ ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ`ውን ገሊጹ`ሎ ። ሓይልታት ምኽልኻል ኢትዮጵያ ካብ ከተማ መቐለ ይወጹ ምንባሮምን ተሓቢሩ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበሩ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነታ ከተማ ሎሚ መዓልቲ ለቂቆም ይወጹ ኔሮም ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ። ነበርቲ’ታ ከተማ ድማ ሓይልታት ትግራይ እናኣተዉ’ዮም ብዝብል በብመንገዱ ሓጎሶም ክገልፁኡ ኣምስዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ንዘይጽሩይ ድምጺ ይቕሬታ ንሓትት! ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ: ንጀነራላት ሰዓረ መኮነንን ገዛኢ አበራን ዝቐተለ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪዱ ንሓላፊ ስታፍ ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረን መኮነንን ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝቐተለ ሓለቓ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ ብፈደራል ቤት ፍርዲ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ደገፍቲ ተኸሳሲ እቲ ፍርዲ ከቢዱ ክብሉ ከለዉ ደገፍቲ ከሰስቲ ድማ ብሞት ክቕጻዕ ኔርዎ ኢሎም ኣለዉ። ቤትፍርዲ ንክልቲኦም ኣይተቐበለኦምን ስለዝኾነ ድማ ክልቲኦም ወገናት ይግባኝ ክንብል ኢና ኢሎም ኣለዉ። ክልቲኦም ጀነራላት ኣብ ወርሒ ሰነ 22, 2020`ዮም ኣብ መንበሪ ገዛ ጀነራል ሰዓረ ተቐቲሎም። ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራን ላዕለዎት ኣማኸርቱን`ውን ኣብ ሓደ መዓልቲ ተቐቲሎም። መንግስቲ ኣብ ዝህቦ ምላሽ፡ ኣብ`ታ ሃገር ዕግርግር ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ድማ ነቓዕ ንምፍጣር ዝተኣልመ ዝተወሃሃደ ውዲት`ዩ ክብሎ ጸኒሑ`ሎ። ሓላፊ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ተሓቢሩ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ሓላፊ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኮይኑ ይሰርሕ ዝነበረ ኢንጅነር እምብዛ ታደሰ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ። ኢንጀነር እምብዛ ኣብ ሙዚቃታት ትግርኛ'ውን ዝነጥፍ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ነቲ ቕትለት ኮኒኑዎ ኣሎ ። መግለጺ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ኢንጂነር እምብዛ ታደሰ፣ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ብዘይተፈልጡ ሰብት ተዓፊኑ ከምዝተሰወረን፣ ትማሊ ሓሙስ ኣስከሬኑ ኣብ መቀለ ከምዝተረኸበን ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ጊደይ ንክልተ መዓልታት ዝጸንሓ ሓድሽ ክብረ ወሰን 10,000 ሜትር መሊሳ ሰይራቶ ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ዝተኻየደ መጻረይ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያውያን ለተሰንበት ጊደይ ቅድሚ ክልተ መዓልታት ብኢትዮጵያዊት ሆላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ተሰይሩ ዝነበረ ክብረ ወሰን ዓለም መሊሳ ሰይራቶ። ለተሰንበት ኣብቲ ናይ 10 ሺሕ ሜትር ጉያ ብልዕሊ ሓሙሽተ ሰኮንድ ብምምሕያሽ`ያ ሪኮርድ ወኒና-29 ደቒቕን ሓደ ሰኮንድን ሰለስተ ካልኢት ውድድራ ዛዚማ ። ኣቐዲማ ቕድሚ ክልተ መዓልታት ኢትዮጵያዊት ሆላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ነቲ ብኣልማዝ ኣያና ኣብ 2016 ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ምስባር`ይፍለጥ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ዝፈጸሙ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈላአልዩ ፕሮጀክታት መሪቖም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ዝፈጸሙ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝተሃነጹ ፕሮጀክታት ከምዝመረቁ ተገሊጹ። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ደብረ ማርቆስ ብልዕሊ ሓሙሽተ ቢልዮን ቅርሺ ንዝተሰርሐን ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 1.35 ቢልዮን ሊትሮ ዘይቲ ዘፍሪ ፋብሪካ መሪቆም ኣለው። እቶም ቀ/ሚ ኢትዮጵያዊያን ሓድነቶም ንክሕልው ኣተሓሳሲቦም። ዜጋታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ካብ ዝፍነው ኣዕናዊ ዝበልዎ መልእኽታት ንርእሶም ንክሕልው’ውን ጸዊዖም። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ እቶም ቀ/ሚ ዝነበሮም መደባት ምርቃ ፕሮጀክታት "ናይ ምርጫ መበራበሪ ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም ዝወቀሱ ሰባት ኣለው። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ግና "ንወፍሪ ምርጫ ተባሂሉ ዝዕየ ስራሕ የለን" ይብሉ። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ብሄራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ፣ ፕሮግራሙ ንነበርቲ ባህርዳር ትማሊ ኣፋሊጡ። እቲ ፓርቲ፣ ናይ ኢትዮጵያ ሃገረ መንግስቲ ዘይቅበሉ ምስ ዝብሎም ሓይልታት ሓቢሩ ከምዘይሰርሕ ገሊጹ። ኣብን 154 ናብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ፣ ናብ ክልላዊ ቤት ምኽሪ ድማ 359 ሕጹያት ከምዘቅርብ ኣፍሊጡ ኣሎ ትብል ኣስቴር ምስጋናው ካብ ባህርዳር። ሓውዜን፡ውግእ ትግራይ ብሓጺሩ ዝዛዘም ከምዘይኮነ መርአያ'ያ ይብል አሶሴይትድ ፕረስ ከተማ ሓውዜን ካብ ሕዳር ንነዘ ኣርባዕተ ጊዜ ውግእ ዝተካየደላ ከተማ እያ። ኣብ ልዕሊ ትካላታ’ውን ብሕልፊ መባእታዊ ሆስፒታላ ከቢድ ዕንወት፣ ስርቂን ዘረፋን ተፈጺሙዎ እዩ። ሓውዜን፣ ውግእ ናይ ትግራይ ብሓጺሩ ዝዛዘም ከምዘይኮነ መርአያ እያ ይብል ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ናብ’ታ ከተማ ዝኣተወ ወኪል ኣሶሴትድ ፕረስ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ቕትለት ሓላፊ ስታፍ ዝነበሩ ጀ/ ሰዓረን ሜ/ጀ አበራን ውሳነ ሂቡ ንንሓላፊ ስታፍር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ምስኦም ሓቢሮም ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ዝቀንጸለ ሓለቃ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ፣ ጥፍኣተኛ ዝብል ብይን ከምዝተዋሃበ ተገሊጹ። ንቅንጸላ ክልቲኦም ወትሃደራዊ ኣዘዝቲ ይምርምር ዘሎ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ፣ ብሙሉእ ድምጺ ንሓለቃ ዓሰርተ መሳፍንት ጥፍኣተኛ እዩ ኢሉ ከምዝወሰነ’ውን ተሓቢሩ'ሎ። ጠበቃ ተኸሳሲ ዝኾነ ቃለ ክርስቶስ ጌትነት ንድምጺ ኣሜሪካ ክዛረብ ከሎ "ዓሚሉ ንሕገ መንግስታዊ ስርዓት ንምቅያር ኢሉ ገበን ፈጺሙ ዝብል ክሲ ከምዝቀረቦ" ጠቂሱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ 2 ክሳብ 13 ዝተዘርዘሩ ተኸሰስቲ ኣቋሪጹ መስርሕ ክሲ ሓለቃ ዓሰርተ መሳፍንት ከምዝቀጸለሉ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ቤት ፍርዲ፣ ናይ ክልቲኦም ወገናት ርእይቶ ቅድሚ ውሳነ ንምስማዕ ን11 ሰነ ቆጸራ ከምዝሃበ፣ ጠበቃታት ተኸሳሲ ይግባይ ከምዝብሉን ተሓቢሩ'ሎ። ቀ/ሚ ኣብይ: ኢትዮጵያ 100 ዲጋታት ከምትሃንጽ ኣመላኺቱ ዝብል ንግብጺ ምቑጥዑ ተገሊጹ ወሃቢ ቓል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝቕጽል ዓመት 100 ናእሽቱን ማእከሎትን ዲጋታት ክሃንጽ ምዃና ኣመላኺቱ`ሎ ዝብል ተቓውምኡ ኣስሚዑ። እዚ ዝስማዕ ዘሎ ብዛዕባ ምምላእ ዓቢይ ህዳሰ ገና ፍታሕ ኣብ ዘይተረኽበሉ እዋን`ዩ ። ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኢትዮጵያ ንግብጺ ዝጎድእ ዝኾነ ዓይነት ምግዳብ ኣባይ ከምዘይትገብር ደጋጊሙ ክገልጽ ተሰሚዑ'ዩ።ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ፡ ኢትዮጵያ ንዓለም-ለኸ ሕግታት ክሳብ ዘኽበረት ብፍላይ ንሕግታት ኣጠቓቕማ ዶብ ተሳገርቲ ኣፍላጋት ክሳብ ዘኽበረት ንዝኾነ ይኹን ጸጋታት ናይ ምጥቃም መሰልና ዝተሓለወ`ዩ ምባሉ ተሓቢሩ`ሎ። መሓውራት ዜና ግብጺ ካብ ወሃቢ ቃል-ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሕመድ ሓፈዝ ቁጥዐ ዝመልኦ መልእኽቲ ኣሕሊፈን ኣለዋ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ መሕለፊ ማያት ናእሽቱን ማእከሎትን ዲጋታት ክሃንጽ ኢሉ ንዝብል ዝነቅፍ መልእኽትታት`ዩ። እዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሕማቕ ድልየት ምልክት`ዩ ብምባል ኢትዮጵያ ጉድኣት ቅድሚ ምውራዳ ብዛዕባ መደባታ ምስ ጎረባብታ ሃገራት ምትሕብባር ክህልዋ ኣለዎ ኢሉ። ዝሓለፈ ሰሙን ጂቡቲ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ግብጺ ኣል ሲሲ፡ ብዛዕባ ምምላእ ዓቢይ ህዳሰ ሕጂ`ውን ንዲፕሎማሲያዊ ፍታሕ ንምልዛብ ተስፋ ከምዝገብር ተዛሪቡ`ሎ:: "ኣል ሲሲ ብዛዕባ`ቲ ነቲ ዞባ ምሉእ ዝትንክፍ ጽልዋ ኩነታት ዲጋ ህዳሰ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ምምላእን ኣብ ስራሕ ምውዓልን`ቲ ዲጋ- ብዝክኣል መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ኣብ ሓደ ርትዓውን ሚዛናውን ስምምዕ ክብጻሕ ከምዝደሊ ሓቢሩ`ሎ። ከምኡ`ውን ንረብሓ ካልኦት ዘይሓቁፍ ናይ ሓደ ወገን ረብሓ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝጽዕን ከምዘይቅበል ይገልጽ።" ግብጻዊ ፖለቲከኛ ሰይድ ሳዲቅ- ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብዛዕባ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ዝግበር ካልኣይ ምምላእ ዲጋ ህዳሰ ንህዝቢ ግብጺ ኣቖጢዑ`ሎ ይብል። እዚ ተንታኒ ህዝባዊ ርእይቶ ኣዝዩ ቁጡዕ`ዩ ዘሎ ንመንግስቲ`ውን: ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሚድያን ኣንጻር ህዝቢን መንግስትን ግብጺ ዝሰምዕዎ ተኹታኹ ዘረባታት ምላሽ ክህብ ይደፍኦ`ሎ- ይብል ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ነቲ ቅልውላው ዲፕሎማሲያ ፍታሕ ክደልይሉ ይግባእ ይብል። ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ፕሮፈሰር መጽናዕቲ ሃገራዊ ምክልኻል ዝኾነ ፓወል ሱሊቫን ብወገኑ ኢትዮጵያ ንዓቢይ ህዳሰ ምህናጻን ተወሳኺ ክሃንጽ ምባላን ተወሳኺ ምልዕዓል`ዩ ዝፈጥር ዘሎ ኢሉ። ግብጺ ክትምልስ ኣለዋ ዝበለ ሱለቫን፡ ኢትዮጵያ ትህቦ ዘላ ምልክታት ናይ ሰላም ኣይኮነንናብ ኩናት እንተተኸይዱ ግን ኩሎም ወገናት'ዮም ከቢድ ጉድኣት ዝወርዶም ኢሉ። ብኻልእ ወገን ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኢልዎ ዝብሃል ምግዳብ ተወሳኺ ዲጋታት ካብ መንግስቲ ምላሽ ክንረክብ ንፍትን ኣለና። ቅድሚ ሎሚ ግን ቀ/ሚ ኣቢይ ብተደጋጋሚ ንሕና ኣባይ ኣይገደብናን፡ ኣባይ ኩሉ ሻዕ ምስፈሰሰ'ዩ ንግድብ ህዳሰ ክንሃንጽ ከለና ንሕና ነቲ ካብ ዝናብ ዝውሰኽ ሒደት ዝናብ ኢና ንጥቀም ዘላና ክብል ክብል ምግላጹ ይዝከር'ዩ። ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ሰሙናዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ንዓለም-ለኸ ሕግታት ክሳብ ዘኽበረት ብፍላይ ንሕጋታት ኣጠቓቕማ ዶብ ተሳገርቲ ኣፍላጋት ክሳብ ዘኽበረት ንዝኾነ ይኹን ጸጋታት ናይ ምጥቃም መሰልና ዝተሓለወ`ዩ ምባሉ ፋና ብሮድስካቲንግ ኮርፐረሽን ጸብጺቡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ክልል ትግራይ: አባል ኢጣልያዊ ትካል ግብረሰናይ ምቕታሉ ተሓቢሩ ኣብ ኢጣልያዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ዓለምለኸ ኮሚቴ ምዕባለ ህዝቢ(CISP) ይሰርሕ ዝነበረ ነጋሲ ኪዳነ፣ ቀዳም ብበራሪ ጥይት ከምዝሞተ ዝቆጸሮ ትካል ኣፍሊጡ። ወዲ ዓዲግራት ዝኾነ ነጋሲ፣ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ ዓለምለኸ ኮሚቴ ምዕባለ ህዝቢ ዝተባሃለ ኢጣልያዊ ትካል ገባሪ ሰናይ CISP ይሰርሕ ነይሩ። ነጋሲ ኪዳነ፣ ውግእ ናይ ትግራይ ካብ ዝውላዕ ንዳሓር፣ ኣብ ስርሖም ከለው ካብ ዝተቀትሉ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት እቲ መበል ታሽዓይ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "ሓላፊ ጨንፈር ዓዲግራት ዝነበረ ብጻይና ነጋሲ ኪዳነ ቀዳም ዓሪፉና ኣሎ" ከምዝበለ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ዜና "እታ ንነጋሲ ዝቀተለት ጥይት መን ከምዝተኮሳ ንጹር ኣይኮነን፣ እንተኾነ ብሰንኪ መውጋእቲ ኣብ ሆስፒታል ከምዝኣተወን ክድሕን ከምዘይካኣለን" ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ቓዛን የሩሳሌምን ዝጸንሓ ግጭት ናብ ካልኦት ከባቢታት እስራኤል ይልሑኽ ምህላው ተገሊጹ ኣብ ቓዛን እየሩሳለምን ዘሎ ጎንጺ ናብ ካልኦት ከባቢታት እስራኤል`ውን ይልሑኽ ኣሎ። ኣብ ብርክት ዝበላ ኣይሁድን ኣመንቲ እስልምናን ጎኒ ንጎኒ ዝነብሩለን ከተማታት`ውን ዕግርግር ይርአ`ሎ። ብፍላይ ኣብ ጥቓ ተል-ኣቪቭ ትርከብ ከተማ ሎድ እቲ ጎንጺ ሕይል ዝብለ`ዩ ኔሩ። ከተማ ሎድ ኣይሁድን ኣዕራብን ጎኒ ንጎኒ ዝነብሩላ ከተማ እስራኤል`ያ። እዞም ጎረባብቲ ሕጂ ነንሕድሕዶም ክጋጨዉ ክኢሎም ኣለዉ። ዮኤል ፍራንከንበርግ ኣይሁዳዊ ነባሪ`ዩ "ኣብዚ ን12 ዓመታት ነቢረ`ለኹ- ጽቡቕ ጉርብትና`ዩ ጸኒሑና- ብዙሕ ግዜ ኣይቀትሉናን`ዮም- ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ግን ክቐትሉና ፈቲኖም ኣለዉ" ይብል ። ዓ ረባዊ ነባሪ ከተማ ሎድ ዋሕል ብወገኑ ከምዚ ይብል።"ዝሓለፈ ለይቲ ገዛና ንግድና መካይና ኣቃጺሎም- ንደቅና ብረት ሒዞም ቀሪቦሞም- ካብዚ ከልግሱ ኣለዎም- እንተዘይኮነ ግን ኣብ ከተማ ሎድ ዓቢይ ኩናት ክልዓል`ዩ" ይብል። ኣብታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ሓሙሽተ ኣብያተ መቕደስ ተቓጺሎም ኣለዉ::እዚ ድማ ፕረዚደንት እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ብፖግሮምስ ዝብል ቃል ክኹንኖ ጌሩ`ሎ:: እዚ ቃል ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን ኣብ ልዕሊ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ኣይሁድ ንዝተፈጸመ ጭፍጨፋ ንምኹናን ዝጥቀም ዝነበረ ቃል`ዩ። ኣብ ጎረቤታ ዝኾነት ከተማ ባት-ያም`ውን ዝተወሰኑ ኣይሁድ ንሓደ ዓረብ ቀጥቂጦም ሆስፒታል ከምዝኣቱ ጌሮሞ። ኣብ ሎድ ዝተሃርመ ኣይሁድ ድማ ድሓር ሞይቱ`ሎ። እቲ ህውከት ናብ ካልኦት ከተማታት ማለት ኣዕራብ ዝነብሩለን ከተማታት`ውን ልሒኹ`ሎ። ድሕሪ`ዚ ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንጃሚን ነተንያሁ`ውን ስምዕታ ኣቕሪቡ፡-"ኣይሁድ ብኣዕራብ ክሕነቑ ወይ ኣዕራብ ብኣይሁድ ክሕነቑ ፍጹም ምኽንያታዊ ኣይኮነን። እዚ ፍጹም ክንቅበሎ ኣይኮናን። እዚ ንዓና ኣይገልጸናን`ዩ- እዚ ኣረሜናውነት ንዓና ኣይገልጸልናን`ዩ። ናብ ኩለን ከተማታት እስራኤል ስርዓተ-ሕጊ ክንመልሰለን ኢና: ኢሉ። መራሕቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትያን-ድሩዝን ኣይሁድን ነቲ ኩነታት ከተሃዳድእዎ ይፍትኑ`ለዉ። ኩሎም ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ጎንጺ ሃይማኖተይ ኣይኮነን ዝብል ሓረግ የሕልፉ`ለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ንምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ክልል ትግራይ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ትግራይ ምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት መግለፂ ኣውፂኡ።ላዕለዋይ ወኪል ጆሴፍ ቦረልን ኮሚሽነር ኣተሓሕዛ ቅልውላው ጃነዝ ሌናርቺችን ብሓባር ዘውፅእዎ መግለፂ ወታሃደራዊ ሓይልታት ኣብ ክፋላት ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበፅሕ ዕንቅፋት ይፈጥሩ ከምዘለው ሕቡራት ሃገራት ምርግጋፁ ይሕብር። እቲ መግለፂ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ተበፃሕነት ክህልው ከምኡ'ውን ወታሃደራት ኤርትራ ብዘይውዓል ሕደር ክወፁን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ምቕራቡ ሓቢሩ ኣሎ ። እቲ መግለፂ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክልቲኦም ንምፍፃም ቃል እንተኣተው እውን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ብወታሃደራዊ ሓይልታት ይፍፀም ዘሎ ምዕፃዋት ረድኤት እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ብከቢድ ናብ ዝተጥቕዕሉ ናብ ገጠር ከባቢታት ረድኤት ከይኣትው ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ይብል ። ኣብ ትግራይ ካብ ዘለው 5.7 ሚሊዮን ሰባት እንተወሓደ 5.2 ሚሊዮን ህፁፅ ረድኤት መግቢ የድልዮም።በመሰረት ሕቡራት ሃገራት ህፁፅ ረድኤት ካብ ዘድልዮም 3 ሚሊዮን ካብ 3 ግንቦት 2021 ጀሚሩ ህፁፅ መፅለልን መግቢ ዘይኮኑ ቀረባትን 12 % ጥራሕ በፂሑዎም ኣሎ። እቲ መግለፂ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ናይ ኵናት ኣፅዋር ምጥቃም ከቢድ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነትን ናይ ሚሊዮናት ህዝቢ ህይወት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን እዩ ኢሉ ኣሎ ።ዓፀቦ ንምውጋድ ቕልጡፍን ሙሉእን ሓገዝን ክወሃብ ኣለዎ ዝበለ መግለፂ ሕብረት ኣውሮጳ ብእዋኑ ንዘድሊ ሓገዝ ኮነ ኢሎም ዝኽልክሉ ዘለው ተሓተቲ እዮም ይብል። ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ ኣክሱም ኣብ ውግእ ዝተሳተፉ 93 ሰባት እዮም መይቶም ኢሉ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም 19 ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብዝተኻየደ ውግእ ‘’ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፉ 93 ሰባት ናይ ወታደር ክዳን ዘይተኸደኑ ሞይቶም’’ክብል ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ። ‘’ኣብታ ከተማ ብሰራዊት ምክልኻልን ወታደራት ኤርትራን ንፁሃን ተቐቲሎም’’ ተባሂሉ ንዝቐረበ ክሲ ቤት ፅሕፈቶም ንኣስታት ኽልተ ኣዋርሕ ክምርም ከምዝፀንሐ ዝገለፁ ምኽትል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ‘'ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ዝተፃረየ መረዳእታ ብሓይልታት ምክልኻል ዝተቐተሉ ሽዱሽተ ስቪላት እዮም’’ ኢሎም። ብኻሊእ ወገን ግን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዝተዋደደ ኩነታት ብኣማእቲ ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ህይወማን ራይት ስ ዎችን ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ገሊፆም ነይሮም።ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብላዊ መሰላት ድማ ልዕሊ ሓደ ምእቲ ስቪላት ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተቐትሉ ገሊፁ ነይሩ። ኣብ ክልል ትግራይ ‘’ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ’’ ብዝብል ኵናት ስዒቡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ 10 ሕዳር ክሳብ 18 ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብ ዝፀንሐሉ ግዜ ‘’ን40 ሰባት ቀቲሉ’’ ዝብል ክሲ ምቕራቡ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ገሊፁ። ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራልን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕግን ንኽልተ ኣዋርሕ ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ ምርመራ ሰራዊት ምክልኻል ንሽዱሽተ ሰባት ከምዝቐተሉ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ኣብሪሆ:: ‘’ብናትና ምርመራ ሰራዊት ምክልኻል ኢፌድሪ 10 ሕዳር2013 ዓ\ም ነታ ከተማ ምስ ተቖፃፀረ ንተወሳኺ ተልእኾ ክሳብ ዝወፀሉ 18 ሕዳር ኣብ ልዕሊ ስቪል ብሰራዊት ምክልኻል ዝወረደ ሞት ሽዱሽተ ምዃኖም ኣረጋጊፅና ኣለና’’ ኢሎም። ሓሙሽተ ካብዚኦም ብከቢድ ብረት ሓደ ሰብ ድማ ስዓት እቶ እቶ ንምኽባር ዝተቐትለ ስቪል ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኢሎም ብምውሳኽ። ሰራዊት ምክልኻል ንቅድሚት ምዝተንቀሳቐሰ ወታደራት ኤርትራ 18 ሕዳር 2013 ዓ\ም ብኽልተ መካይን ናብ ከተማ ኣክሱም ምእታዎንገሊፆም።ከባቢ ዓዴት ዝነበሩ ናይ ህወሓት ኣባላት ፖሊስ ፍሉይ ሓይሊ ናብ ኣክሱም ምምፆምን ህወሓት 1,500መናእሰይ ኣክሱም ናይ ሓደ ማዕልቲ ናይ ብረት ቶኽሲ ስልጠና ዝሃበ ምዃኑ 19 ሕዳር 2013 ዓ\ም እቶም ስልጠና ወሲዶም ዝነበሩ ማናእሰይ፣ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ካብ ዓዴት ዝመፁ ምሊሻን ሓዊሱ ተወዲቦም ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ሰፊሩ ንዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ መጥቓዕቲ ምኽፋቶም ክሳብ ድሕሪ ስዓት ከቢድ ውግእ ተኻይዱኢሎም። ‘’ኣስታት ሸሞንተ ስዓት ተወሳኺ ሓይሊ ንሰራዊት ኤርትራ በፂሕሉ እዚ ናይ ህወሓት ጉጅለ ናብ ከተማ ምንስሓቡን ኣብዚ ዝተሳተፉ መናእሰይ ህይወቶም ከምዝጠፍአን ዝበዝሕ ኣብቲ ውግእ ዝተሳተፈ እንተኾነ እውን ዩኒፎር ዘይተኸደነ፣ከም ስቪል ይንቀሳቐስ ዝነበረ ምዃኑ፣ክሳብ ሎሚ ንሕና ብዘፃረናዮ 93 ሰባት ኣብቲ ዕለት ምማቶም ብመርትዖ ኣረጋጊፅና ኣለና’’ ኢሎም። ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍር ብዝብል ብሰራዊ ምክልኻል፣ኣባላት ፌደራል ፖሊስን ወታደራት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቓዕቲ ፈፂሞም ንዝተብሃለ ገበን ዝተኻየደ ምርመራ ብዝምልከት ዝተሓተቱ ንሶም እቲ ገበን በቲ ክልል ይምርመር ከምዘሎ ሓቢሮም።ብርክት ዝበሉ ናይ ኣስገዳድ ፆታዊ ዓመፅ ተፈፂሙወን ዝብላ እንተሃለዋ እውን ክሳብ ሕዚ ንፖሊስ ቃለን ዝ ሃባ 16 እየን ኢሎም።ደፊሮም ዝተብሃሉ ሒደት ናይ ፌደራል ፖሊስን ኣባላት ሰራዊትን ተታሒዞም እቶም ፖሊሳት ጉዳዮም ናብ ናይቲ ክልል ቤት ፍርዲ እቲ ወታደር ድማ ናብቲ ሰራዊት ከምዝተልኣኸ ገሊፆም።ህወሓት ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝተፈረዶም እሱራት ናይ ኤርትራ ወታደራት ዩኒፎርምን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝተዘረፈ ዩኒፎርምን ኸዲኑ ፈቲሑዎም እዩ እውን ኢሎም። ፌደራል ፖሊስን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕግን ብሓባር ኣብ ዘካየዱዎ ምርመራ ናይ 95 ሰባት ቃል ምስክርነት ተቐቢሎም ከይዲ ምርመራ ከምዝቐፀለ ኣቶ ፍቃዱ ኣፍሊጦም ኣለው። ብኻሊእ ወገን ዓለምለኸ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ህይወማን ራይት ዎችትን ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ነበርቲ ከተማ ኣኽሱምን በዝሒ ዝተቐትሉ ብኣማእቲ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ቅድም ክብል ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ወታደራት ኤርትራ 28ን 29ን ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ጎደናታት ቶኽሲ ብምኽፋትን ገዛ ንገዛ እናኣተው ምቕታሎም ናይ 240 ግዳያት ካብ መሰኻኽር ከምዝመዝገበ ገሊፁ እዩ። ህወይማን ራይትስ ዎች 5 መጋቢት 2021 ኣ\ፈ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ዕጡቓት ሓይልታት ኤርትራ ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ሓዊሱ ኣብ ሕዳር ንብዙሓት ስቪላት ከምዝቐተሉ ይገልፅ።ምልሺያታት ትግራይን ነበርቲ ኣክሱምን 28 ሕዳር 2021 ኣ\ፈ ንሓይልታት ኤርትራ ምስ ኣጥቕዑ ወታደራት ኤርትራ ብጃምላ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት ንብዙሓት ኣማእቲ ነበርትን መብዛሕቲኦ ደቂ ተባዕቲዮን ኣወዳትን ቀቲሎም ይብል። ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣብ ዘካየዶ መባእታዊ ምርመራ 18ን 19ን ሕዳር 2013 ዓ\ም ወታደራት ኤርትራ ከቢድ መግሃስታት ሰብዊ መሰላት ምፍፃሞምን ንልዕሊ ሓደ ምእቲ ስቪላት ከምዝቐተሉን ገሊፁ እዩ። ንኣሶሼትድ ፕረስ ቃሉ ዝሃበ ሓደ ዲያቆን ኣክሱም ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ከባቢ እታ ከተማን ኣስታት 800 ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ ከምዝኣምን ገሊፁ ኣሎ። ቪኦኤ ትግርኛ ዘዘራረቦም ስድራ ግዳያት፣ነበርትን ናይ ዓይኒ ምስክርን ኣብ 19ን 20ን ሕዳር 2013 ዓ\ም ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዙሓት ሰባት ብወታደራት ኤርትራ ከምዝተጨፍጨፉን ሬሳታት ፈቖዶ ጎደናታት ንኽልተ ማዕልታት ተረፍሪፉ ከምዝቐነየን ገሊፆም እዮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል :: No media source currently available 'ንህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ/ኢትዮጵያ' ዝዳህሰሰ ፍሉይ መደብ 'ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ/ኢትዮጵያ' ዝብል ኮይኑ ኣሎ ቀዳምን ሰንበትን ነቅርቦ መደብ ኣጋይሽናን ናታትኩም ሕቶን መልሲን። ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ኢትዮጵያዊያን ተደጋጋሚ መደባት ከምዘቅረብና ዝዝከር እዩ። ካብ ኤርትራዊያን ክንሰምዕ ኢና። ኣብ'ዚ መደብ'ዚ ዝሳተፉ ክልቲኦም ኤርትራዊያን ኣጋይሽ፣ ንኩነታት እቲ ዞባ ዝከታተሉን ዝትንትኑን፣ ተሓላቂ መሰላትዶ/ር ዳንኤል ረዘነ ካብ ጄኔቫን አቶ ኪሮስ ሰሎሞን ካብ ዩናይትድ ስቴትስ ቴክሳስን ኮይኖም ኣለው። No media source currently available No media source currently available መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት "ውጥረት ዝሓዘለን ተባራዒን ከምዝኾነ፣ ብሰንኪ ውሽጣዊ ግጭት፣ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ፣ ስርቂን ዕንወት ንብረትን ትሕተ ቅርጺን ከምዝተራአየሉ፣ ብዝሒ ዝተቀትሉ ግና ንጹር ከምዘይኮነ" ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ቅድሚ ኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ሰሜን ሽዋ ድሕሪ ቅትለት ሓደ ሰብ ውግእ ከምዝተወለዐ ዝገልጽ እቲ መግለጺ፣ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣስታት 60 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተፈናቀለ ይጠቅስ። ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ድማ፣ ኣብ ከተማታትን ዓበይቲ ጎደናታትን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ፣ ዝኸፍአ ምፍንቃልን ዕንወትን ኣውሪዱ እዩ። ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ስእነት ሰላም፣ ሰራሕተኛታት ሰብአዊ ትካላት ንብዝሒ ግዳያት ኣነጺሮም ክፈልጡ ኣይካኣሉን። እንተኾነ፣ ሰበ ስልጣን’ቲ ክልል፣ ኣብ ሰሜን ሸዋን ፍሉይ ዞባ ኦሮምያን ኣስታት 330 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተፈናቀሉ ገሊጾም ኣለው ይብል ። ኤርትራ ወታሃደራታ ካብ ክልል ትግራይ ከምእተውፅእ ኣፍሊጣ ኤርትራ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ምስታፋ ንመጀምሪያ ግዜ ብወግዒ ብምእማን ወታሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንምውፃእ ከም እትጅምር ምስምምዓ ኣፍሊጣ ኣላ።መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዘፍለጠ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ እዩ። ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ምስታፋ ንመጀምሪያ ግዜ ብወግዒ ብምእማን ወታደራታ ካብ ትግራይ ንምውፃእ ከም እትጅምር ምስምምዓ ኣፍሊጣ።እናወሰኸ ብዝኸደ ዓለምለኸ ፀቕጢ ኤርትራ ወታደራታ ከም እተውፅእ ን15 ኣባል ሃገራት ንዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ዓርቢ ደብዳበ ብምፅሓፍ እያ ነዚ ዘፍለጠት።እቲ ደብዳበ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምንስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ እውን ወፂኡ ኣሎ። ‘’ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓይልታት ኤርትራ ንምውፃእን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ዓለምለኸ ዶብ ዳግም ንምውፋርን ብዝለዓለ ደረጃ ተሰማሚዐን ኣለዋ’’ ኢለን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኤርትራ ሶፊያ ተስፋማሪያም ኣብ ዝፀሓፍኦ ደብዳበ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሕዳር ብዝጀመረ ግጭት ኣንፃር ገዛኢ ፓርቲ ትግራይ ምስ ዝነበረ ህወሓት ንዝዋግኡ ወታደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሕጋዝ ይርከብ።ክሳብ ዓርቢ ግን ኤርትራ ሓይልታታ ኣብ ትግራይ ምእታዎም ብተደጋጋሚ ኣሉ ክትብል ፀኒሓ እያ። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ወታደራቶም ንመራሕቲ ህወሓት ክሕዙ ናብ ትግራይ ክኣትው ኣዚዞም። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብነበርቲ እቲ ከባቢ፣ብዲፕሎማሰኛታትን ገለ ስቪላውን ወታደራውን ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ንዝብሉዎም ብምፅራር ተሳትፎ ወታደራት ኤርትራ ብዝምልከት ንኣዋርሕ ክኽሕዱ ፀኒሖም እዮም። ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ መጋቢት ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ክልል ምህላዎም ብምግላፅ ኣብ ቀረባ ክወፁ እዮም ክብሉ ቃል ኣትዮም።እንተኾነ ግን ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ማርክ ሎውኮክ ወታደራት ኤርትራ ይወፁ ምህላዎም ዋላ ሓደ መርትዖ የለን ክብሉ ዝሓለፈ ሓሙስ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ገሊፆምሎም። ኣብዚ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፣ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብፆታዊ ዓመፅ ተደፊረንን ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ድማ ተመዛቢሉን እዩ። ብሰንኪ ብርክት ዝበሉ ምኽኒያታት ማለት እውን ኣብ ትግራይ ዝተኸሰተ ህውከት፣ ድርቂ፣ኣብ ወለዶ ብዘጋጥም ኣዚዩ ከቢድ ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሰንኪ ዘስዓቦ ማሕበራውን ቁጠባውን ተፅዕኖ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ 23.5 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሕቡራት መንግስታት ይግምት። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available 'መንግስቲ ግብፂ ንኣፍሪቃን ኣፍሪቃዊያንን ክብሪ የብሉን' ዲና ሙፍቲ መንግስቲ ግብፂ ንሕብረት ኣፍሪካን ንኣፍሪካዊያንን ክብሪ ይኹን እምነት የብሉን ክብል ናይ ኢትዮጵያመንስቴር ጉዳይ ወፃኢንኣፍሪካዊያን ኣምባሳደራት ምግላፁ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይወፃኢ ኣምባሳደርዲና ሙፍቲ ገሊፆም።ጉዳይ ሩባ ኣፍሪካ ናይ ዓረብጉዳይ ምግባሩ እውን ከንቱ ልፍዓት እዩኢሎምዎ።ኣብ ትግራይሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ይሓቱ ነይሮም ዝተብሃሉ ወገናት ቃልንተግባሮምን ኣዚዩ ዝተረሓሐቐ ከምዝኾነ እቶም ወሃቢ ቃል ተዛሪቦም። ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኢትዮጵያ ንልዝብ ናብ ኪንሻሳ ዝኸደትኣብ ዙሪያ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ሰለስቲአን ሃገራት ዘካይድኦልዝብ ብመንፈስ ኣፍሪካዊነት ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካዊያን ንምፍታሕ ይክኣል ብዝብል እምነት እዩ ነይሩ ኢሎም። ይኹን እምበር እዚ ናይ ኣፍሪካ ጉዳይ ካብ ኣፍሪካዊያን ንምውፃእ ከይዕወት ይደፍኡ ነይሮም ኢሎም።እቶም ኣማባሳደር ብቕጥታ ሽም ከይጠቐሱ ቀንዲ ተዋሳኢትዝበሉዋ ሃገር ኣደ ወንበር ሕብረትኣፍሪካ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ ኣፍሪካ ኣውፂኦም ናብ ኣሜሪካ ዝወሰደትሉ እዋን ነይሩ ኢሎም። ሎሚ እውን ናይ ኣፍሪካ መስርሕ ናይ ምዕንቃፍ ብዘለዎም ዝፀንሐድልየት ሎሚ እውን ካብኣፍሪካው ወፃኢ ኣርባዕተ ሃገራት ይእትው ብዝብል ከይዕወት ገይሮምዎኣለው ኢሎም። መርገፂ ኢትዮጵያ ኣብ ምምላእን ምምሕዳርን ማይ መጀመሪያ ስምምዕነት ክህሊ እዩ ኢሎም። ኣጠቓቕማ ማይ ብዝምልከት ንዶብ ተሳገርቲ ሃብትታት ብዝገዝኡ ዓለምለኸ ኣሰራርሓታት መሰረት ዝገበረን ምኽኒያታውን ፍትሓውን ዝኾነ ስምምዕነት እያ ትደሊ ኢሎም። ሱዳን ዝወሰደቶ መርገፂ ናይ ሳልሳይ ወገን ኣጀንዳ ካብ ምስጓም ካሊእ ምኽኒያት ከምዘይብሉ ብምግላፅ ጉዳይ ሩባ ኣፍሪካ ናይ ዓረብ ጉዳይ ምግባት ከንቱ ልፍዓት እዩ ኢሎም። ሱዳን ናይ ባዕላ ኣጀንዳ የብላን ዝበሉ ንሶም ካብ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ተረባሕቲ ናይዚ ግድብ ምዃኖምህዝቢ ሱዳን ይፈልጥ እዩ ኢሎም።ይኹን እምበር እቲ ወታደራዊ ክንፊ ናይ ካልኦት መልእኽቲ ሒዙ እዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ኢሎም።ኣስዕብ ኣቢሎም። ጉዳይ ሩባ ኣፍሪካ ናይ ዓረብ ጉዳይ ምግባር ከንቱ ተግባርእዩ።ብዝኾነ ይኹን ናብ ዘይምልከቶ ነዚ ማይ ናብ በረኻ ንምውሳድ ዝግበር ምንቅስቓስ ፈፂሙ ተቐባልነትዘይብሉ እዩ።ንናይ ኣፍሪካ መስርሕ ተኣመንቲ ስለዝኾና እዚ መስርሕ ክዕወት ንደሊ ኢና። እዚ ንኣፍሪካ ኣማባሳደራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መብርሂ ተዋሂቡ እዩ እዮም ኢሎም። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ንቶም ኣምባሳደራት መብርሂ ከም ዝተውሃበ እውን ገሊፆም። ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ንዘድሊ ሰብኣዊ ረድኤት መንግስቲ 70 ምእታዊ ከምዘቕርብ ዝገለፁ ኣማባሳደር ዲና ሙፍቲ ረድኤት ክነብፅሕ ኢሎም ይሓቱ ዝነበሩ ንዝበሉዎም ምዕራባዊያን መንግስታት ነቒፎም።ንምእታው ፍቓድ ሃቡ ይብሉ ዝነበሩ ምስተኸፈተ ግን መብዛሕቲኦም ባዶ ኢዶም እዮም መፂኦም፤ኣሜሪካዊያን ግን ረድኤት ኣቕሪቦም እዮምኢሎም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ። ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምዝገባ መረጽቲ የጋጥሞ ንዘሎ ብድሆታት ኣፍሊጡ ምዝገባ መረፅቲ ዝለዓለ ብድሆ ከምዘጋጠሞ ኮሚሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ስእነት ሰላምን ናይ መጎዓዚያ ፀገማት ካልኦት ተጠቀስቲ ብድሆታት ምዃኖም ተሓቢሩ'ሎ። ኣብ ልዕሊ ሕፁያት ተቓዋሚ ፓርቲታት ዝወርድ ዘሎ ተፅዕኖ ንናይ ሕፁያት ምዝገባ ምዝሕታል ምኽኒያት ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ። ተወካሊ ገዛኢ ፓርቲ ብዘጋጠመ ብማእሰርቲ ሕፁያት ይቕሬታ ሓቲቶም ኣለው። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ምርጫ 2013 ከምዝወዳደሩ ምስ ዘፍለጡ ተወዳደርቲ ፓርቲታት ንምዝታይ ዝፀወዖ ኣኼባ ካብ መፋርቅ መጋቢት ጀሚሩ ስጋብ መፋርቅ ሚያዝያ ክሳለጥ እዩ ዝተባህለ ምዝገባ መረፅቲ ዝጠመተ ነይሩ ። ብመሰረት መብርሂ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ: ምርጫ ክካየደሎም እዩ ተባሂሎም መደብ ካብ ዝተታሕዘሎም ከባቢ 50,000 ዝኾኑ ናቁጣታት ምርጫ ተኸፊቶም ስሩዕ መዝገባ መረፅቲ ዝጀመሩ 25,171 ጥራሕ እዮም። ከምኡ'ውን ኣብ መላእ እታ ሃገር ስጋብ ሐዚ ምዝገባ መረፅቲ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ መራሕትን ሰብ ሞያ ምርጫን ኣፍሊጦም ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 200 ሽሕ ብዝተወሰነ ቁፅሪ ዝዛይድ መራፃይ ጥራሕ እዩ ተመዝጊቡ ። ​ንምዝገባ መረፅቲ ምድንጓይ እቲ ዝዓበይ ዕንቅፋት ኮይኑ ዝርከብ መጉዓዝያን ኣብታ ሃገር ዝረኣ ዘሎ ዘይምርግጋእን ስእነት ሰላምን ምዃኑ ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ኣብነት ጠቂሰን ገሊፀን ። "ሓደ ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብን ምብራቅን ወለጋ ፣ ሆሮጉድሩን ቄለምን በብእዋኑ ዝለዓሉ ጎንፅታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ ። ብምኳኑ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃለወ ቦርድ ምርጫ ምንም ከምዘይተፈጥረ ወይ ፀገም ከምዘየለ ገይሩ ከይዲ ምርጫ ከካይድ ኣይኽእልን ኣይደልን 'ውን ። እዚ ማለት ስልጠና ምክያድ፣ ኣፈፀምቲ ምርጫ ናብቲ ቦታ ምልኣኽ ፣ ምክፍፋል ናውቲ ምርጫን ነቁጣ ምርጫ ምኽፋትን ዝብሉ ምንቅስቃሳት ይርከብዎም ።" ተወዳደርቲ ውድባት'ውን ንምድንጓያት መዝገባ መረፅቲ ምኽንያት እዮም ዝበልዎም ፀገማት ኣብቲ መድረኽ ኣቅሪቦም ነይሮም ።ብፍላይ ካብ መንግስቲ ፌደራል ወፃኢ ብዘለዉ መሓዉራት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሕፁያት ተወዳደርቲ ፓርትታት ዝፍፅምዎም ተግባራት ማእሰርትን ምፍርራሓትን ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ድልየት መረፅቲ ከምዘዘሓሓሎ ኣባላት ዝተፈላለዩ ፓርትታት ገሊፆም ። በዚ ሓሳብ ኣካቢት ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ 'ውን ይሰማምዓ ። "እቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ እቲ ቀንዲ ዓንዲ ምርጫ ዘነፃፀረ እዩ ።ማእሰርትን ምክልባትን ሕፁያት ተወዳደርቲ ውድባት ካብኣቶም ሓሊፉ ኣብቲ መራፃይ 'ውን ድምፀይ ኣይቁፀርን ድምፀይ ኣይስማዕን ዝብል ስግኣት ስለዝፈጥር ክኸውን ኣይነበሮን ። ይኹን 'ምበር ነቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ክእረም ቅልጡፍ ምላሽ ንዝሃቡና ኣካላት ከነመስግኖም ይፈቱ" ኢለን። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገዛኢ ፓርቲ ብናልፍ ኣንዱኣለም ፓርቲኦም እዚ ምርጫ በቲ ዝተተለመሉ እዋን ክሳለጥ ዘለዎ ድልየት ገሊፆም። ነቲ አጋጢሙ ዝተባህለ ፀገም ንምፍታሕ ፓርቲኦምን መንግስቶምን ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ሓቢሮም ። ከምኡ'ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕፁያት ተወዳደርቲ ፓርቲታት ይበፅሕ ኣሎ ንዝተባህለ በደል ብሽም ውድቦም ይቅሬታ ይሓትት ኢሎም ። "ምስ ምእሳር ተወዳደርቲ ፓርቲታት ተአሳሲሩ ዝተላዕለ ሓሳብ ኣነ ብውልቀይ የሕፍረኒ እዩ።ፈፂሙ ክኸውን ዘይነበሮ ተግባር እዩ። ዋላ ንፍርቂ መዓልቲ'ውን ክእሰሩ የብሎምን ዓብዪ ጥፍአት እዩ ኢልና ኢና ንኣምን በዚ ኣጋጣሚ ይቅሬታ ክሓትት ይደሊ ። ደጊሙ ክፍፀም ዘይግበኦ እዩ።" ተወዳደርቲ ውድባት ብፍላይ ንምድንጓይ ምዝገባ መረፅቲ ፍታሕ ክኾኑ እዮም ዝበልዎም ሓሳባት ኣቅሪቦም ። ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ'ውን ኣብቶም ዝቀረቡ ሓሳባት ተሞርኪሱ ነቲ ዘሎ ኩነታት ንምልዋጥ ከምዝሰርሕን ገምጋማቱ ድማ ናብ ህዝቢ ከምዘቅርብ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ንጋዜጠኛታት ሓቢረን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርጫ አሳታፊ ፍትሓዊን ዲሞክራሲያዊን ክኸውን ጻውዒት ቐሪቡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርጫ፣ ኣሳታፊ፣ ፍትሓዊን ዴሞክራሲያዊን ክኸውን፣ መንግስቲን ዘይመንግስታዊን ትካላት፣ ንሲቪካዊ ማሕበራት ደገፍ ንክገብሩ፣ ኣብ’ቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ መጸዋዕታ ኣቅሪቦም። ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝተሰለፉ ትካላት ምስ ዝተፈላለዩ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ብዛዕባ ምርጫን ሰብኣዊ መሰላትን ንምልዛብ ኣብ ባህርዳር ከምዝተኣከቡ’ውን ሪፖርተርና ካብቲ ቦታ ዝለአኸቶ ዜና ይገልጽ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ካብ ክልል ሃረሪ ወጻእ ዝቅመጡ ተወለድቲ’ቲ ብሄር፣ ኣብ’ቲ ምርጫ ንክሳተፉ ንዘቅረብዎ ሕቶ ድሕሪ ምንጻጉ፣ ጉባኤ ሃረሪ ነቲ ውሳነ ተቃዊምዎ። ቦርድ ምርጫ ግን፣ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተመርኮሰ እዩ ከምዝበለ ተሓቢሩ'ሎ። ሕብረት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተባህለ ትካል ኣብ እዋን ምርጫ ዘጋጥሙ ጥሕሰት መሰላት ንምክልካልን ንምንካይ ይሰርሕ ምህላው ገሊጹ ኣብ ታሪኽ ምርጫ ኢትዮጵያ ንዘጋጥሙ ዝነበሩ ግህሰት መሰላት ኣብ ሻድሻይ ዙር ምርጫ ኢትዮጵያ ንከይድገሙን፣ መጠኖም ንክንክዩ ይሰርሕ ከምዘሎ ሕብረት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝተባሃለ ትካል ገሊጹ። ኣብ እዋን ምርጫ፣ ካብ ምጉዳል ኣካል ክሳብ ምጥፋእ ህይወት ዝበጽሑ ጸገማት ከምዘጓንፉ ዝጠቀሰ እቲ ትካል፣ ነዞም ጸገማት ንምእላይ ሓጋዚ እዩ ንዝበሎን "ምርጫን ሰብኣዊ መሰላትን" ዘርእስቱን ሲቪካዊ ማሕበራት ዝሳተፉሉን ስልጠና ኣብ ምሃብ ከምዝርከብ ጠቂሱ። እቲ ኣብ ሃዋሳ ይካየድ ዘሎ ስልጠና፣ ካብ ደቡብን ሲዳማን ዝተወከሉ ሲቪካዊ ማሕበራትን ዜጋታትን፣ ግቡኦም ንክዋጽኡ ከምዝተሓተቱ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ ። መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ህልው ኩነታት ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ትሕቲ ናይ ህወሓትን ዓለም-ለኸ ሚድያ ናይ ፕሮፓጋንዳ ወፍሪን ይወድቕ ኣሎ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብግጉይን ኣብ መሬት ንዘሎ ሓቂ ብዘየንጸባርቑ ጸብጻባትን ኣዕለቕሊቑ`ሎ ዝበለ መግለጺ ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ እቶም መራኸቢ ብዙሃን ንመንግስቲ ንምውንጃል ዝገብርዎ ጸደፍደፍ ድማ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ዝፈጸሞን ብዝተወደበ ደረጃ ዝደገፎን ቅትለታት ንምሽፋን`ውን ዘጠቓለለ`ዩ ኢሉ`ሎ። ኣተሓሒዙ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ ዓለም-ለኸ ሚድያታት፡ ህወሓት ንዳርጋ 30 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝፈጸሞም ብቓላት ንምግላጽ ዘጸግሙ ገበናት ኮነ ኢሎም ክሸፋፍኑ ይፍትኑ`ለዉ ይብል። ንሲቪላት ከም መከላኸሊ ድፋዕ ንመንበሪ ገዛውቶም ድማ ከም መሕብኢ ንምጥቃም ድሕር ምስ ዘይብል ጉጅለ ዝግበር ውግእ፡ ዘይተደለየ ኩነታት ከስዕብ ከምዝኽእል ደጋጊምና ተዛሪብና ኢና ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሞት ሰለማውያን ሰባት ዓሚቕ ሓዘን ከምዝስምዖ ገሊጹ`ሎ። ተፈጺሞም ዝተባህሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብሓባር ንኽምርመሩ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ መሰላትን ዝተበጽሐ ስምምዕ`ውን መንግስቲ ብዕቱም ዝጥምቶ ምዃኑ ምስክር`ዩ ኢሉ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ናይ ህወሓት ጸገም ናይቲ ገበን ፈላሚ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ሓቂ ኣጣሚሙ ብምቕራብ ብሓሶት ብዝተቐነባበሩ ምስልታት ናይ ፈጠራ ዜናታት ብምብታን ንዓለም ምድንጋሩ ቀጺሉ`ሎ ይብል ። እቲ መግለጺ እቲ ዘሕዝን ግን ዓለም-ለኸ ሚድያታት፡ ናይቲ ጉጅለ በደል ዘይተረድኦም መሲሎም\nነዞም ብህወሓት ዝቐርቡ መረዳእታታት ንጸብጻቦም ምጥቃም ምቕጻሎም`ዩ ይብል። መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለዚ እዚ ጸብጻባት`ዚ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭብጢ መሰረት ክኸውን ኣይክእልን`ዩ ኢሉ`ሎ ። ኣስዒቡ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝወጸ ሓዲሽ መግለጺ እኳ ደኣስ ነቲ ሓላፍነት ዘይስምዖ ጉጅለ ህወሓት ተሓታቲ ምግባር ምተገብአ ኢሉ ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝውስኽ ዘሎ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝትሓዙ ዘለው ሰባት ሻቅሎት ምፍጣሩ ተገሊጹ ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ መትሓዝቲ ኮሮናቫይረስ ምውሳኹ ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ። ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝያዳ ዝውስኽ ዝነበረ ቁጽሪ ተተሓዝቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ናብ ዝተፈላለያ ክልላትን ከተማታትን ልሒኹ ወሰኽ የርኢ ከምዘሎ ሰብ-ሞያ ሕክምናን ሰበ-ስልጣንን ይሕብሩ`ለዉ። ንኣብነት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት እቲ ቁጽሪ ሕሙማት ወሲኹ ከምዝተራእየ ተሓቢሩ'ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብተመሳሳሊ ሰበ-ስልጣን ሞሮኮ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ መትሓዝቲ ኮቪድ 19 ወሲኹ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስ`ውን ተራእዩ ብምባል ኣብ ወርሒ ሮመዳን ናይ ለይቲ ሕላፍ ሰዓት ኣዊጆም። ኣመንቲ እስልምና ኣብ ግዜ ጾም ቀትሪ ሰለ-ዘይበልዑን ዘይሰትዩን- ኣብያተ መግብን ካፈታትን ስርሐን ኣብ ናይ ለይቲ`ዩ ዝምርኮስ ኔሩ። እዚ ናይ ትማሊ ኣዋጅ ከምዝጎድአን ተገሚቱ`ሎ። ዓመታዊ ጸብጻብ ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንሃገራት ዓለም ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት'ውን ምምሕያሽ ከምዘየርኣየ ጠቒሱ'ሎ። እቲ ሓዲሽ ሪፖርት፥ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ብምእታው ኣብ ሃውራዊ ቅትለት ተሳቲፎም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ምስዋርን ብሓይሊ ከምዝምለሱ ኣብ ምግባርን ምስታፎም እሙን ሓበረታ ኣሎ ይብል። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዘጋጠመ ቕትለት ሰላማዊያን ሰባት ብምኹናን ተሓታቲ 'ኦነግ ሸኔ'ዩ' ኢሉ: ኣዛዚ ኦነግ ም/ግንባር ግን ነዚ ይቃወም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ባቦ ገንቤል ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈጸመ ቅትለት ዝሕተተሉ ‘ኦነግ ሸኔ’ አዩ ኢሉ ከሲሱ ። ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ 28 ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 10 ድማ ቆሲሎም። ነቲ መጥቃዕቲ ዝኾነኑ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣህመድ ብወገኖም ህዝቢ ምስ መንግስቲ ተሓባቢሩ ንፈጸምቲ እቲ ቅትለት ናብ ሕጊ ንምቅራብ ንክሰርሕ ጸዊዖም። እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣዛዚ ሰራዊት ምዕራባዊ ግንባር ደባይ ተዋጋእቲ እየ ዝበለ ብወገኑ "ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ" ብወገኑ ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ሎ:: ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ "ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ንኹንን። ዝተሰማዓና ዓሚቅ ሓዘን ንስድራቤታትን ንመላእ ኢትዮጵያዊያንን ንገልጽ" ኢሎም ።ንሶም ወሲኾም "ዓለምና ብለበዳ ሕማም ተወሪራ ኣብ ትጭነቀሉ እዋን፣ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ቃንዛ ዝውስኹ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ኣብ’ዛ ንደልያ ኢትዮጵያ ስፍራ የብሎምን" ኢሎም ። ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ወሲኾም ‘ጸላእትና ካብ ደገን ካብ ውሽጢን ተወዲቦም፣ ንሰላማዊያን ሰባት ብምቅታል ነቲ ዝጀመርናዮ ዝበልዎ ጉዕዞ ንምሽምራርን ካብ ጎደናና ንምስሓት ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው’ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ መጻወድያ ሓይልታት ጥ ኣት ዝበልዎም ሓይልታት ንከይወድቕን፣ ምስ መንግስቲ ተሓባቢሩ ጥፍኣት ፈጸምቲ ናብ ሕጊ ንምቅራብ ንክሰርሕን ጸዊዖም። ነዚ ብዝምልከት መሮ አየ ዝባሃል ዝበለ ኣዛዚ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ምዕራባዊ ግንባር ምዃኑ ዝገለጸ ከምዚ ይብል። ሕቶ: መሮ ተቀቲሉ እዩ። መሮ የለን ክባሃል ከሎ ሰሚዔ እየ። ንሶም’ውን ሰሚዖም ይኾኑ ዝብል ግምት ኣለኒ። ገለ እዋን ካኣ ብጭብጢ ዝተደገፈ ዝመስል ሓበሬታ ሪኢና ኣለና። ብካልእ ወገን ካኣ መሮ ባዕለይ እየ ይብሉኒ ኣለው’ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ከምዚ ክብሉ መሊሶም:: መሮ: እወ ከምዚኦም ዝበሉ ፕሮፓጋንዳታት ይቃልሑ እዮም። ኣነ መንፈስ ኣይኮንኩን። ምሳይ ተዕልል ኣለኻ፣ ካልእ መረጋገጺ ክህበካ ኣይክእልን። ሕቶ:ንጊዚኡ ይኣኽለኒ እዩ። ናብ ቀንዲ ጉዳይና ንስገር። ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብዙሓት ሰላማዊያን ሰባት ከምዝተቀትሉ ተገሊጹ ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቶም ሰባት ዝተቀትሉ ኦነግ ሽኔ ዝባሃል ዕጡቅ ጉጅለ እዩ ኢሉ ኣሎ። ናትኹም ግብረ መልሲ እንታይ እዩ? መሮ: ሰሎሞን፣ መንግስቲ ቀተልቲ ዕጡቃት ኦነግ ሽኔ እዮም እንተይሉ፣ ን ኦነግ ሽኔ ኣሊሽካ ኣዘራርቦም። ኦነግ ሽኔ እዮም ኢሉ’ውን ከሲሱ ኣሎ። ስለዚ እቲ ክሲ ዝቀረበሉ ውድብ ኦነግ ሽኔ መልሲ እንተዝህብ ኣይምሓሸን’ዶ? ስለዘይምልከተኒ ኢለ እየ። ሕቶ: መንግስቲ ንመሮ ዝመርሖም ዕጡቃት ኦነግ ሽኔ ስለዝብለኩም እየ ከምኡ ዝብል ዘለኹ። ንስኻትኩም መን ትባሃሉ ኢኹም? መሮ:ንስኻ ወለድኻ ዘጠመቁኻ መጸውዒ ሰሎሞን ኮይኑ እናሃለወ፣ ሰሎሞን ኣይኮንካን ቦጋለ ወይካኣ ካልእ መጸውዒ እንተተጠቂመ ክትቅበሎ ኢኻ ዝብል እምነት የብለይን። ስለዚ ንሕና’ውን ኣብ ዘይምልከተና ጉዳይ ከይተጸዋዕና ኣለኹ ንብለሉ ምኽንያት የለን። ንሕና ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኢና። እዚ ውድብ'ዚ ዝቀረበሉ ክሲ ዛጊት የለን። ንመርሖ ሰራዊት ‘ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ’ እዩ ዝባሃል። በዞም ትጠቅሶም ዘለኻ ሰባት ዝቀረበ ክሲ ኣይሰማዕኩን። ሕቶ: ኣብ’ቲ ትማሊ ተፈጺሙ ዝባሃል ቅትለት ሰላማዊያን ሰባት ኢድ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ኣለዎ’ዶ? መሮ: ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ፣ ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ቅትለት ኢዱ ኣየእቱን። ብሰራዊትና ከምዚ ዝበለ ዝተፈጸመ ቅትለት የለን። ንሓደ ብሄር ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ’ሞ ግደፎ፣ ብሰንኪ መንነቱ ዝኾነ ሰብ እንተተቐቲሉ፣ ከቢድ ቅጽዓት ዝዋሃበሉ ኣገባብ እዩ ዘለና። እዚ ነገር’ዚ ይደጋገም ኣሎ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝነጥፉ መነገዲ ገይሮምዎ ኣለው። ዘይሻራዊ ኣካል የጻርዮ ኢለ ነይረ። ተደጋጊሙ ስለዝተዘርበሉ ዝልወጥ ነገር የለን። ሓሶት በዚሑ። ግዳያት ኢና ዝብሉ ሰባት ‘ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ’ እዩ ኣጥቂዑና እዮም ዝብሉ። ኣባላት ሰራዊትኩም፣ ከምዚ ዝዓይነቱ መጥቃዕቲ ንከይፍጻም ትከታተልሉ፣ ትቆጻጸርሉ፣ ዝወሰድክምዎ ስጉምቲ ኣሎ’ዶ? ንዝብል ዝቀረበ ሕቶ መሮ ክምልሱ ከለው ‘ስጉምቲ ትወስድ’ኮ ፈጻሚ እቲ ክሲ ምስ ዝህሉ እዩ። ስጉምቲ ምውሳድ ዘይኮነ እቲ ጥቕዓት ኣይተፈጸመን። ኣብ ኢድ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ሓንቲ ህይወት እንተጠፊኣ፣ ኣዝዩ ከቢድ እዩ’ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ናይ ኣሜሪካ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ዓመተ 2020 ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ዘውፀኦ ፀብፃብ ትማሊ ሰሉስ ወግዓዊ ገይሩ ። እቲ ፀብፃብ ሃገራት ካብ መሰል ምምራፅ ጀሚረን ስጋብ ኣብ ስራሕ ቦታ ንዜጋታተን ዘለወን ኣተሓሕዛ ዝመርመረ እዩ ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዘውፀኦ ፀብፃብ መንግስታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ህዝቦም እንታይ ይመስል ዝብል ፀብፃብ ኣብ 2020'ውን እንተኾነ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ብዘስካሕክሕ መልክዑ ይሳቀዩ ምህላዎም ዝሕብር እዩ ።ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሌንከን ኣብ መኽፈቲ እቲ ሪፖርትእቲ ኩነታት ይጋደድ ምህልዉ እዮም ጠቂሶም ። "ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ፀብፃብ ከምዝሕብሮ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘሎ ሓፈሻዊ ኣካይዳ ብዝተጋገየ ኣንፈት ይጉዓዝ ምህላዉ ዘመላኽት እዩ ። ኣብ መላእ ዓለም ነዚ ዘራጉድ መረዳእታ እዩ ዘሎ ኣብ የመን ይካየድ ብዘሎ ጎንጺ ኣብ ህዝቢ የመን ይወርድ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ንርኢ ኣለና ። ፆታዊ ዓመፃት፣ቅትለትን ግፍዓዊ ጨፍጫፋትን ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ምፍፃሞም ካብ ተኣማኒ ሪፖርት ሪኢና ኢና ። መቅተልትን መጥቃዕትን ብገዛእቲ ሶርያ ዝፍፀሙን ከምኡ'ውን ይካየድ ብዘሎ ኲናት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ሆስፒታላትን ዕዳጋን ሓደጋ ይወርድ ኣሎ።" ብሊንከን ወሲኾም መንግስቲ ቻይና ኣብ ዉሁዳን ዓሌትን ኣመንትን ኡሁራውያውያን ዘብፀሖ ዘሎ ሓደጋ "ምፅናት ዓሌት" እዩ ዝፍፅም ዘሎ ኢሎም ።እቲ ሪፖርት ኣብ ከም ሩስያ፣ ቤላሩስ፣ ቬንዙዌላን ዩጋንዳን ዝበላ ሃገራት ኣብ ተቃወምትን ጋዜጠኛታትን ዝበፅሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዘርዚሩ እዩ ። ኣብ ዋሽንግቶን ዳይሬክተር ሁማን ራይትስ ዎች ሳራ ሆሊንስኪ ከምዝበለኦ እቲ ሪፖርት ምምሕዳራዊ ለውጢ ክመፅእ ዝሕብር እዩ ይብላ ። "ቅንዕ ኢልካ ብዛዕባ ትርጉም ሰብአዊ መሰላት ክትሓስብ ከለኻ ኢራን እያ ቀዲማ ናብ ርእስኻ ትመፅእ ፣ ብፍላይ እዚ ምምሕዳር 'ውን ነዞም ዝፍፀሙ በደላት ነቂሱ ንምውፃእ ድልየት ዘለዎ ይመስለኒ:: " ብሊንከን ፓርቲ ሃገራዊ ሊግ ንዴሞክራሲ ኦንግ ሳን ሱኪይ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ምስ ሰዓራ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንዘካየዶ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ኣብ ማይኒማር ዘጓነፈ ህልቂት ጠቂሱ እዩ ። ሳራ ሆሊዊንስኪ ኣብቲ ሪፖርት ሰፊሩ ዝርከብ ተሓታትይነት ንግዳያት ሓቦ ዘስንቅእዩ ይብላ ። "መንግስታት ከምዚኦም ዝበሉ ፀብፃባት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ፖሊሲታቶም ክድሕስሱ እንተጀሚሮም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጠረጴዘኦም ኣሎ ማለት እዩ ። " ንሰን ወሲኸን ከምዚኦም ዝበሉ ሪፖርትታት ናብ ሕጊ መውፃእቲ ምቅራቦም ኣፅዋር ዝህባ ሃገራት ንመን ይህባ ምህላወን ቀዲመን ክውስና ተጽዕኖ ዘሕድር እዩ ኢለን ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካይዱ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣስመራ ዝኣተዉ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ምምዕባል ክልተኣውን ዞባውን ሓባራዊ ሽርክነት ዝተኮረ ዝርርብ ከምዘካየዱ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available 'ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ተለኣኣኺ መንግስቲ ኣይጣየሽን' ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ሓይሊ ተለኣኣኺ ዝኾነ መንግስቲ ክጣየሽ ኣይኽእልን ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ።ህወሓት ኣብቶም ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላት ዝተኸሎም ካድራቱ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ እናታለሉ እዮም ክብሉ ከሲሶም።ኢትዮጵያ ትብተን እያ ዝብል ጥርጣረ ከምዘይብሎም እውን ኣፍሊጦም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መብርሂ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም መብዛሕቲኦም ዝወረደና በደል እናፈለጡ ክኽሕዱ ይደልዩ ኢሎም።’’ኣብ ሓደ ማዕልቲ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣብ 200 ቦታ ኣብ ሓደ ግዜ እቲ ጁንታ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቓዕቲ ፈፂሙ’’ ኢሎም። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ናይ ግዜ ጉዳይ ተዘይኮይኑ ኣብቲ ኵናት ይኹን ኣብ ፕረፖጋንዳ ሓቂ ስዒሩ ኣሎ ኢሎም። ህወሓት ናይ ፕሮፓጋንዳ መድረኽዝ ተቖፃፀሮ ‘’ህወሓት በብትካላቱ ኣምነስቲ በሉዎ፣UN በሉዎ ምናምን በሉዎ ኣብ ኤጀንሲታት ዘለው ኢትዮጵያዊያን መብዛሕቲኦም ናይ ህወሓት ካድረ ቤተሰብ ኣካል እዮም’’ ኢሎም። ብምሕዝነትን ብሓቅነትን ጠጠው ዝበሉ ናይ ወፃኢ መሓዙት ኣለና ዝበሉ ቀዳማይ ምንስቴር ካልኦት ‘’ኢድ ንምጥምዛዝ ዝፍትኑ እውን ኣለው’’ ኢሎም።’’ካልኦት ሓይልታት ክትርድኡዎ ዝደልየኩም ብረብሓን ክብርን ኢትዮጵያ እንተድኣ መፂእኹም ግን ዋላ ክሳደይ ይሰየፍ እምበር ኣይኸውንን’’ ኢሎም። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ መጠን ምሕዋይ ሕማም ቲቢ ልዕሊ 90% ከምዝበጽሕ ገሊጹ መጠን ምሕዋይ ሕማማት ቲቢ ብሜላ ፍወሳ ዶትስ ናብ 92% ክብ ከምዝበለ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ። ሚኒስትሪ ጥዕና ብዘካየዶ ጻዕርን ዝሓንጸጾ ስትራቴጅን 61% ካብቶም ሕማም ቲቢ ኣለዎም ዝበሃሉ ጥርጡራት ከምእተለለዩ ብምጥቃስ መጠነ-ሞት ብ85% ከምዝጎደለ ሓላፊት ምቁጽጻር ሕማም ቲቢ ሲስተር ሂወት ንጉሰ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ። ዳይረክተር ሆስፒታል መርሓኖ ኣቶ ገብረመስቀል በላይ ብወገኑ ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ን259 ሕሙማት ኣገልግሎት ከምዝሃቡ ብምግላጽ ምኽፋት ናይ’ዚ ሆስፒታል ኣብ ምንካይ መጠነ-ሞት ዓቢ ኣበርክቶ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ኤርትራ: ወናኒት ትካል ጸባን ውጽኢት ጸባን ክትውንን ዝኸኣለት ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ 1992 ብሓንቲ ላምን 2 ሊትሮ ጸባን ዝጀመረቶ ሕርሻዊ ንጥፈታት፡ በበመድረኹ ንዘጋጠማ ብድሆታትን ሕጽረታትን ሰጊራ “ኤፍቲ ትካል ጸባን ውጽኢት ጸባን “ ዝብል ትካል ክትውንን ዝበቕዐት ጻዕረኛ ጓል ኣንስተይቲ’ያ-ወ/ሮ ፍረወይኒ ተስፋሃንስ። እዛ ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ እቲ ዝመስረተቶ ትካል ጸባ ፡ቀረብን ጠለብን ጸባን ፍርያት ጸባን ኣብ ምርግጋጽን ብርክት ንዝበሉ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪባ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብዝረኸበቶ ስልጠናን ትምህርትን ተሓጊዛ ብዘመናዊ ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ንፈለማ እዋን ርግኦ ዓሺጋ ክትሽይጥ ከምዝኸኣለት ወ/ሮ ፍረወይኒ ተዛሪባ። ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ካብ መዝነቶም ዝለቐቑ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት መንግስቲ ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ናብ ልዝብ ክኣትው ጸዊዖም ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጸመ ግፍዒ ብምቅዋም ካብ መዝነቶም ዝወረዱ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ውግእ ዝኣተው መራሕቲ’ቲ ክልል ዝነበሩ ናብ ልዝብ ሰላም ንክኣቱ ጸዊዖም። ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተጠባባቂ ሓላፊ ዝነበሩ ኣቶ ብርሃነ ኪ/ማርያም "ዝተናወሐ ውግእ ነታ 6 ሚልዮን ዝህዝባ ትግራይ ይሃስያ ኣሎ" ኢሎም። "ንሰላማዊ ልዝብን ኣገባብ ፍታሕን ክነቅድም ኣለና" ዝብሉ ኣቶ ብርሃነ፣ ብካልእ መገዲ ሰላም ኣይመጽን፣ እቲ እንኮ መገዲ ሰላማዊ ኣገባብ'ዩ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ኣብ’ቲ ውግእ ካብ 60 ክሳብ 70 ሽሕ መብዛሕተኦም መናእሰይ ዛጊት ከምዝሞቱ ይዛረቡ። መራሕቲ ኢትዮጵያ ግና በዚሒ ዝሞቱ ኣይገለጹን ዘለው። ኣቶ ብርሃነ ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወፍሪ መኸተ ይማሓየሹ ከምዘለው፣ ንዝተናወሐ ውግእ ዕድል ከምዘሎ ይዛረቡ። ቅድሚ ትሸዓተ መዓልታት ካብ መዝነቶም ዝወረዱ ኣቶ ብርሃነ፣ ጅምላዊ ህልቂት ዝተራኣየሉ ውግእ እዩ ኢልካ ንምድምዳም ትግራዋይ ጥራሕ ክትኮን የብልካን፣ እዚ ዘስካሕክሕን ከቢድ ጥፍኣት ዘስዓበን ውግእ፣ ክጻወሮ ኣይክእልን ኢሎም። ተሸላሚ ሽልማት ኖብል ሰላም ዝኾኑ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ሎሚ ንውግእ ኣብ ትግራይ ደው ኣቢሎም ተፈጺሙ ንዝባሃል ገበን ኩናትን ዓለምለኸ ምጽራይ ንክግበረሉን ብሕልፊ ኣሜሪካ ትመርሖ ጸቅጢ ኣጋጢሙዎም ኣሎ። ነቀፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ይቅጽል ዘሎ ፌደራላዊ መስርሕ ምጽራይ እኹል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ፣ መንግስቲ ብብቅዓት ንርእሱ ክምርምር ኣይኽእልን ባሃልቲ እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሰላማዊያን ሰባት ኮነ ተባሂሉ ዒላማ መጥቓዕቲ ኣይተገብሩን ይብል። "ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፣ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኸሰተ ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስቲ መሰላትን ከምኡውን እቲ ቅልውላው ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዘስዕቦ ሓደጋን ዓሚቅ ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎም" ብምግላጽ ልኡኾም ሰነተር ክሪስ ኩንስ ምስ ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንምዝርራብ ናብ አዲስ አበባ ከምዘምርሑ ተፈሊጡ'ሎ። ቢሮ ኮሚኒኼሽን ክልል ትግራይ 700 ሽሕ ነበርቲ ካብ ም/ትግራይ ተመዛቢሎም ይብል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ግን ነዚ ይነጽግ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ልዕሊ 700 ሽሕ ነበርቲ ብሓይልታት ፀጥታ ክልል ኣምሓራ ካብ መነባብርኦም ክመዛበሉ ከምዝተገበረ ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ኮምኒኬሽን ገሊፁ።እዚ ኩነታት ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ክጋደድ ከምዝገበሮ ሓላፊት እቲ ቢሮ ወይዘሮ እትየነሽ ንጉሰ ተዛሪበን። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ሙሉነህ ክንዲ'ዚ በዝሒ ዘለዎም ተወልደቲ ትግራይ ኣብቲ ከባቢ ኣይነብሩን ብምባል ኣሉታዊ መልሲ ሂቦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available 'ኣብ ልዝብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ወሰንቲ ሰለስቲአን ሃገራት እየን' ኣምባ. 'ኣብ ልዝብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ወሰንቲ ሰለስቲአን ሃገራት እየን' ኣምባ. ዲና ሙፍቲ ኣብ ዙሪያ ልዝብ ግድብ ዓብይ ህዳሴ ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝህባ ሰለስተ ሃገራት ጥራሕ ምዃነን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ብምዕራባዊያን ወገን ዘሎ ሪኢቶ ምስቲ ሓቂ ይገናዘብ ኣሎ ኢሎም ወሃቢ ቃል ናይቲ ምንስቴር። ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቡዎ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብቲ ልዝብ ሕቡራት መንግስታት፣ዩናይትድ ስቴት ስ፣ሕብረት ኣውሮፓን ዝኣመሰሉን ኣካላት ክሳተፉ እንተኾይኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ዝቐረበሉ ሕቶ የለን ኢሎም። ብዘይካ ሕቡራት መንግስታት እዞም ኣካላት እዚኦም ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብቲ መስርሕ ልዝብይሳተፉ ዝነበሩ እዮም ኢሎም።’’እቲ ልዝብ መዕለቢ ዝርከብ፣መፍትሒ ዝመፅእ ብስሉስ ወይ ብሰለስቲአን ጥራሕ እዩ’’ ኢሎም። ኣብ 2015 ኣ\ፈ ኣብ ካርቱም በሰለስቲኦም መራሕቲ ብመሰረት ዝተፈረመ ስምምዕ ሰለስቲአን ሃገራት በቲ ልዝብ እንተድኣ ዘይተሰማሚዐን ንሰለስቲኦም መራሕቲ ይቐርብ እቶም መራሕቲ ናይቲ ልዝብ ስልቲ ክቕይሩዎ ይኽእሉ ከምዝብል ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም። ሰራዊት ሱዳን ብሓይሊ ንዶብ ጥሒሱ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገለፀ ስለምንታይ ስቕታ መሪፁ ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ዲፕሎማሲ ብዙሕ መንገዲ ኣለዎ ክብሉ መሊሶም። ብወግዒ ዓውዓው እንተዘይበልና እውን ብዲፕሎማሲያዊ ቻናል ንፈተውቶም ይኹን ንናይ ሓባር ፈትወቲ ከምኡ እውን ንናትና መሓዙት ፅቡቕ ኣይሰርሑን ዘለው፤ኣየዋፅኦምን፣ንሕና ምስ ህዝቢ ሱዳን ሕውነት ንደሊ ኢና ዝብል በብእዋኑ ንደፍአሉ ኣለና ኢሎም።’’መችዩና መሬትና ተታሒዙ ቅሬታ ኣይፈጥረልናን ማለት ኣይኮነን’’ ኢሎም ብምውሳኽ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ዝፈፀሙ ኣምባሳደራት ብዝምልከት ክዛረቡ ከለው ናይቶም ኣምባሳደራት ዕላዊ ሪኢቶ ንመንግስቲ ኣይቀረበን ኢሎም። ይኹን እምበር ኣብቲ ካብ ዝነበሩ መልስታቶም ምግማት ዝክኣል ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ምስርኣዩ ሪኢቶታቶም ከምዝተለወጠ ሓቢሮም ይብል እቲ ፀብፃብ። እቶም ኣማባሳደራት ሪኢቶታቶም ዝተለወጠ ምዃኑ መርኣያ ግን ኣይጠቐሱን ኣማባሳደር ዲና። የቕርቡዎ ዝነበሩ ኩነታት ኣብ ዝተልዓለሉ ድሕሪ ሕዚ ውሳነ፣ኣድማ፣ተፅዕኖ፣እገዳ ዝብል ባዶ መዝሙር እዩ ኢሎም ኣማባሳደር ዲና። ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ስቴፋን ዱጃሪክ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገበርቲ ሰናይ ፍቓድ ብምሕታት ከይኮነ ብኢሜይል ብምፍላጥ ናብ ትግራይ ክጉዓዙ ከምዝኽእሉን እዚ ድማ ፅቡቕ ምዕባለ ምዃኑን ሓቢሮምኣለው። ኣብዚ ሕዚ እዋን 240 ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታትን ልዕሊ 1, 000 ሓደ ሰራሕተኛታት ካልኦት ገበርቲ ሰናይን ኣብ ትግራይ ተዋፊሮም ከምዝርከቡ ሓቢሮም እቶም ወሃቢ ቃል። ብኻሊእ ወገን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣዚዩ ከምዝተሓሳሰቦም ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኮንግረስ መብርሂ ክህቡ ከለው ምሕባሮም ይዝከር። ምሉእ ት ሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣስታት 60 ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ክልል ትግራይ ምብጻሕ አካይዶም ኣስታት 60 ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ዝተፈላለያ ሃገራትን ትማሊ ረቡዕ ናብ ክልል ትግራይ ብምብጻሕ: ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ምስ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተመያይጦም። እቶም ኣምባሳደራትን ልኡኻትን ከተማ መቐለ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ትግራይ ሕጂ`ውን ኣብ ጸገም`ያ ዘላ ዝብሉ ትካላት ንግድን ትራስፖርትን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ጌሮም ኔሮም። ሎሚ ግን ምንቅስቓስ ከተማ መቐለ ናብ ንቡር ተመሊሱ ምውዓሉ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብታ ከተማ ሓቢሩ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኦነግ: ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ንምስታፍ ዕንቅፋት ይገጥመና'ሎ ኢሉ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣብ ኣባላተይ ማእሰርቲ ኣብያተ ጽሕፈተይ ድማ ምዕጻው ኣብ ምርጫ ንምስታፍ ዕንቅፋት ይፈጥረልና`ሎ ኢሉ። እቲ ውድብ ኣብ ልዕለይ ተፈጢሮም ኣለዉ ዝበሎም ዕንቅፋታት እንተተኣልዮም ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ ከምዝደሊ`ውን ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ገሊጹ`ሎ። ኣብ መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንክጽዋዕ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ዝጸውዐ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ግንባር ብወገኑ ማእሰርቲ ኣባላቱን ምዕጻው ኣብያተጽሕፈቱን ነቲ ጉባኤ ንምድላው ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዝጸንሐ ይገልጽ። ይኹን`ምበር ብዘለዎ ዓቕሚ ነቲ ጉባኤ ንምጽዋዕ ስራሕ የካይድ ምህላዉ ኣዳላዊ ኮሚቴ ኣፍሊጡ`ሎ። ምክትል ኣቦ መንበር ኦፌኮ ኣቶ በቀለ ገርባ ናብ ሕክምና ከይከዱ ምክልኻሎም ተገሊጹ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ኣብ ምሕሳም መግቢ ዝርከብ ምኽትል ኣቦ-መንበር ናይ ኦሮሞ ፈደራል ኮንግረስ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ቤት ፍርዲ ዝወሰነሉ ናብ ሕክምና ናይ ምኻድ ውሳነ ተቐቢሎም ናብ ሕክምና ክወሰድዎ ከለዉ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተኸልከሉ ሓደ ገባሪ ሰናይ ሕክምና ዝተባህለ ጉጅለ ኣፍሊጡ። ናይቶም ተኸሰስቲ ጠበቓታት ትእዛዝ ሕክምና ቤት ፍርዲ፡ ን4ይ ግዚኡ ዝወጸን ሕጂ`ውን ዝተጣሕሰ ምዃኑ ይገልጹ። ብዛዕባ`ዚ ዝተሓተተ ላዕላዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ምላሽ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ`ሎ። ኢትዮጵያ: መግቢ ናይ ምሕሳም አድማ ዘካይዱ ዘለው እሱራት ንናይ ጥዕና ጸገም ይቓልዑ ከምዘለው ተገሊጹ ኣብ ኢትዮጵያ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ዝርከቡን መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ኣብ መበል 16 መዓልታት ዝርከቡን በዓል ጀውሃር መሓመድ ሕማም ኩሊት ሓዊሱ ንዝተፍላለዩ ጸገማት ጥዕና ይቃልዑ ከምዘለው ንኩነታት ጥዕነኦም ክከታተሉ ዝጀመሩ ጉጅለ ወለንተኛታት ሓካይም ገሊጹ። "ሕቶና ክሳብ ዝምለሰልና እዚ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ኣይነቋርጾን" ዝበሉ እቶም እሱራት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ውልቀሰባትን ነዚ ክቋርጽዎ ንምእማኖም ዝገበርዎ ፈተነ ከምዘይሰለጦም ሓደ ካብ ጠበቃታቶም ገሊጾም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ጉጅለ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ከተማ መቐለ ምብጻሕ አካይዱ 40 ዝኾኑ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ቅድሚ ትማሊ ናብ መቐለ ብምምራሕ ትማልን ሎምን ብዝተፈላለየ መልክዑ ምስ ሰብ-ሞያ ግዚያዊ ምምሕዳር`ቲ ክልል፡ ምስ ዝተወሰኑ ነበርቲ ከምኡ`ውን ምስ ገለ ተፈናቐልቲ ከም ዝተዛተዩ ተሓቢሩ`ሎ። ሓላፊት ርክብ ህዝቢ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወ/ሮ እቴነሽ ንጉሰ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ናብ መቐለ ዝመጹ፡ ክልል ትግራይ ዘላትሉ ኩነታት ተረዲኦም ኣካል`ቲ ፍታሕ ንምዃን`ዩ- ብእኡ መሰረት ድማ ነቲ ዘሎ ጸገማት ብዝግባእ ተረዲኦሞ ኣለዉ ኢላ። "ትማሊ ካብ ፈደራል መንግስቲ ዝመጹ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ ድማ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ ዝርከቦም ዓበይቲ ዓዲ መቐለ ኣትዮም`ዮም። ካብ ከተማ መቐለ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲ፡ ከምኡ`ውን ድማ ካቢኔ ኣባላት ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ምምይጥ ተኻይዱ`ዩ።" ካብቶም ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታት እንታይ ከምዝመስሉ ዝተሓተተት ወ/ሮ እቴነሽ ንጉሰ ከምዚ ክትብል ትምልስ።​ " ካብ መራሕቲ ሃይማኖት መቐለ፡ ካብ ኣባላት ካቤኔ ግዚያዊ ምምሕዳር፡ ዝተላዕሉ ሕቶታት ኔሮም`ዮም። ትግራይ ዘላቶ ኩነታት፡ ብኤኮኖሚ ንድሕሪ ምምላስ፡ መሓውራት መሰረት ልምዓታ ምዕናው፡ ምጥፋእ ህይወት ሰባት፡ ጥምየትን ምፍንቓልን ሰባት፡ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም ኔሮም። ንሳቶም`ውን ነቲ ኩነታት ተገንዚቦሞ`ዮም፡ ኣብዚ ክብጻሕ ኣይነበሮን፡ ቅድሚ ሎሚ ንዕርቀ-ሰላም ናብዚ መጺእና ኔርና ኢና፡ ከይተዓወቱ ተሪፉ- ነዚ ምርኣይና ብዙሕ ንሓዝን ዝብል ምላሽ`ዮም ሂቦም። ከምኡ`ውን ኣብ ተዋሰንቲ ክልላት መሬትና ዝተወስደና`ሎ- ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ህዝብና ዝቕተለሉ ዘሎ ኩነታት፡ ንብረቱ ከምዝተዘርፈ ብዙሕ ህይወት ከምዝጠፍአ፡ መንግስቲ ድማ እከለ ኣትዩ ኣይኣተወን ምባል ገዲፉ፡ ምሳና ተሰማሚዑ፡ ነቲ ጸገም ኣፍልጦ ሂቡ፡ ናብ መፍትሒ እንተኸድና`ዩ ዝሓይሽ`ምበር፡ ጽባሕ`ውን ካብዚ ዝኸፍእ ንኸይበጽሕ ምንም ውሕስነት የብልናን ስለዚ ብቕልጡፍ ተራእዩ ካብ መንግስቲ ፍታሕ ክመጻልና ዝብል ሕቶታት`ዩ ኔሩ " ብዛዕባ`ቲ ተኻይዱ ዝተባህለ ተቓውሞ ክትዛረብ ከላ ድማ፡ ናብ ከተማ መቐለ ካብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ወጻእን ብዙሓት ኣጋይሽ`ያ ኣብ ምትእንጋድ ትረክብ ድሕሪ ምባል እቶም ዝቃወሙ ግን እቶም ኣጋይሽ ነቲ ጸገም ከምዘይርድኡ፡ መቕለ ጽቡቕ ከምዘላ ጥራሕ ሒዞም ዝኸዱ ስለዝመሰሎም`ዮም `ዮም ኣድማ ጌሮም ድሕሪ ምባል እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን ትብል፡" እቲ ሓቂ ንሱ ኣይኮነን፡ እዞም ሰባት ኣብ ህዝቢ ዝወረደ ጸገም ተረዲኦም፡ ክሕግዙ ከምዝደልዩ፡ ካብቶም ኣብ መቐለ ዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት`ውን ብግልጺ ተነጊርዎም፡ ሓገዝትና ንክኾኑ፡ምስ ፈደራል መንግስቲ ይኹን ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተዘራሪቦም፡ ፍታሕ ንከምጽኡ ዝተዘተየሉ ኣኼባ`ዩ ኔሩ- ኣነ`ውን ኣብኡ ኔረ`የ " ብኻልእ ወገን እቶም መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ቅድሚ ሎሚ እቲ ኩናት ክካየድ ከሎ፡ ነቲ ኩናት ደጊፎም- ሕጂ ንረድኤት ብዝብል፡ናብታ ከተማ ምእታዎም ነበርቲ ንክቃወሙ ብኢንተርነት ብዝቐረበ ጻውዒት መሰረት ትማልን ሎምን ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ኣብያተ ንግዲ መብዛሕቲኦም ከምዝተዓጽዉን ከምኡ`ውን ኣብ ዝተወሰኑ ከባብታት መንገድታት ምዕጻዎምን ጎማታት ምቅጻሎምን ተሓቢሩ`ሎ። ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ንቪኦኤ ዝተዛረቡ ዋና ጸሓፊ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ ኣይትቀበልዎም ዝብል ካብ ወጻኢ ዝስማዕ ፕሮፓጋንዳ ክህሉ`ዩ- ንሕና ግን ናይ ሰላም`ምበር ናይ ፖለቲካ ተልእኮ ሒዝና ኣይኮናን ሒዝና ንኸይድ- ንናይ ህዝብና ሰላም ድማ ዋጋ ካብ ምኽፋል ንድሕሪት ንብለሉ ምኽንያት የለን ኢሎም።እቲ ጉጅለ፡ ኣብዚ ሰዓት`ዚ ኩሉ ሰብ ተረባሪቡ ህጹጽ ረድኤት ክገብር ከምዘለዎ- ከምኡ ንምግባር ድማ ብዕቱብ ከምዝሰርሑ ካልኦት ሕቶታት ድማ ናብ ፈደራል መንግስቲ ከምዘቕርቡ ምግላጹ`ውን ቀሲስ ታጋይ ታደለ ወሲኾም ሓቢሮም። ኣስዒቦም ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ዘሎ ባኒ እምበር እምኒ ክድርበየሉ ኣይኮነን ዝጽበ ኢሎም። "ንህዝቢ ትግራይ ኮነ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘድልዮ- ኣይትቀበሉ -እምኒ ደርብዩ ዘይኮነስ- ኩሉ እንተኽኢሉ- እምኒ ዘይኮነ ባኒ እንተዘቕብል`ዩ። ሎሚ ዝተረዳእናዮን ዘብከየናን- 4.5 ሚልየን ከባቢ ረድኤት ዝደሊ`ዩ-ካብኡ ድማ 2.2 ሚልየን ካብ ክዳን ጀሚሩ ቅልጡፍ ናይ ማተርያል ሓገዝ ዘድልዮ`ዩ። ነዚ ኩሉ ህዝቢ ንምሕጋዝ ድማ ኩሉ እንተዘይተረባሪቡ እቲ ሓደጋ ከቢድ`ዩ።" ኣተሓሒዞም ህዝቢ ትግራይ ክሕገዝ ኣለዎ- ዘይምርዳእ ከምዝፍታሕ ይገልጹ። "ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ኣይትቀበሉ ኣይትውሰዱ ዝብሉ፡ ንሳቶም ብሽኮቲ እናበልዑ ኣብ ውሽጢ ንዘለዉ ግን ባኒ ኣይትቀበሉ እናበሉ- ኣብ ዓራት ኣስከሬን ዝእከበሉ ኩነታት ኢና ንሰምዕ ዘለና። ስለዚ ነቶም ሃይማኖታዊ ኣቦታት ንፖለቲካ ረብሓ ኣብ ክንዲ ምምልማል፡ ነዚ ህዝቢ ባኒ ምኹላስ ዝሓሸ `ዩ።" እቲ ኣኼባ ብመንግስቲ ዝተጸውዐ መሲልዎም ዝተረፉ ኔሮም ዝብሉ ቀሲስ ታጋይ ታደለ፡ እቲ ኣኼባ ንሕና ከምዝጸዋዕናዮን ተራኺብና ከምንዛተን ምስ ሰምዑ ፡ድሮ ብሓባር ተራኺብና ከምንዘራረብ ተሰማሚዕና ኢና ስለዚ እቲ ንሎሚ ሓሲብናዮ ዝነበርና ፕሮግራም ኣኼባ`ውን ጽባሕ ንክቕጽል ኣሰጋጊርናዮ ኣለና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ዕጡቓት ሱዳን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ን250 ከብቲ ምዝራፎም ሰብ ሃብቲ ገሊፆም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣብ ኣወሰን ዶባ ሱዳን ዕጡቓት ሱዳን 250 ከፍቲ ዘሪፎም ክብሉ ናይቲ ከባቢ ነበርትን ኣማሓዳሪን ጥርዓን ኣቕሪቦም። ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ከባቢ ምፅግዑ ዝገለፁ ናይ ቱመክ መንዱካ ጣቢያ ዋና ኣማሓዳሪ ሕብሮም ዝተፈለዩ እዮም ዝበሉዎም ወታደራት ምስቲ ሰራዊት ከምዘለውዎም ተዛሪቦም። ሱዳን ንዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሳ ኣትያ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ይኽስ ስ ኣሎኣብ ምኽሳስ።ዕጡቓት እውን ኣብቲ ከባቢ ናይ ዝነብሩ ሰብ ሃፍቲ ንብረት ምውራሮም ሰበስልጣን ይዛረቡ። ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ቱመትመንዱካ ኣብ ዝተባሃለ ጣቢያ ተመሳሳሊ ወራር ምፍፃሙ ነበርትን ሰበስልጣንን እቲ ከባቢ ንቪኦኤ ገሊፆም። 139 ከፍቲ ብዕጡቓት ሱዳን ከምዝተዘረፉ ኣቶ ሲሳይ መላኩን ሓዎም ኣቶ በሬ መላኩን ይዛረቡ። ኣብ ወሰን ዶብ ሱዳን ናይ እትርከብ ጣቢያ ቱመትመንዱካ ዋና ኣማሓዳሪ ዝኾኑ ኣቶ ኣለሙ ኣወቀ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ልዕሊ 250 ከፍቲ ከምዝተዘረፉ ይገልፁ። ኣብቲ ከባቢ ናይ ሱዳን ሰራዊት ስለዝተፀግዑ ሓል ሓሊፉ ቶኽሲ ከምዘሎን ኣብቲ ከባቢ ናይ ሱዳን ሰራዊት ጥራሕ ከይኮነስ ሕብሪ ቆርበቶም ካብ ሱዳናዊያን ዝተፈለዩ ዕጡቓት ከምዘለውን ወሲኾም ገሊፆም። ብኻሊእ ወገን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዝኾኑ ሌተናል ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ወሰን ከባቢ ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዝርከቡ ሰራዊቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ሃገሮም ካብ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ፣ምፍርራሕን ክስታትን ክቐርቡዋ ከምዝፀንሑ ብምግላፅ ‘'ኩሉ ነገር ልክዕ ኣለዎ’’ኢሎም። ‘’ግጭት ዝወልዐት ሱዳን ከይኮነትስ ኢትዮጵያ እያ’’ ኢሎም ኣለው።ንናይ ሱዳን ደቂ ኣንስትዮን ሓረስቶትን ቀቲሎም መሬትና እውን ኣቃፂሎም ኢሎም ብምውሳኽ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ብትዕግስቲ ከምዝሓዞ ብምሕባር ሳልሳይ ወገን ጣልቃ ከይኣተወ ንምፍታሕ ፃዕሪ እናገበረ ምዃኑ ገሊፁ ኣሎ። ፕረ.ክልል ትግራይ ነበር ዝርከብዎም ሸውዓተ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ናብ ፍትሒ ንክቐርቡ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ነበር ኣቶ ኣባይ ወልዱ ዝርከቦም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝኣተዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ኣባይ ወልዱን ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተን ዝርከብዎም ሸውዓተ ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ናብ ፍትሒ ንክቐርቡ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዮም ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ፡ ኣቶ ኣባይ ወልዱ፡ ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ: ዶ/ር ረዳኢ በርሀ: ዶ/ር ሙሉገታ ይርጋ፡ ኣቶ ዑቕባይ በርሀ፡ ኣቶ ጌታቸው ተፈሪን ወ/ሮ ኪሮስ ሓጎስን ምዃኖም`ውን ኢዜኣ ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ። ኣቶ ስብሓት ነጋን ሓፍቶም ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋን ዝርከብዎም ካልኦት ሓያለ`ውን ዝሓለፈ መዓልታት ምእታዎም ይዝከር። ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ዘለዋ ተራ ዝምልከቱ ሪፖርታት ኣብ ዝወጽሉ እዋን፣ ተራ ኤርትራ ዝምልከቱ ሕቶታት ይለዓሉ ‘ኤርትራ ኣብ ውግእ ክልል ትግራይ ዘለዋ ተራ ዝምልከቱ ሪፖርታት ኣብ ዝወጽሉ እዋን፣ ተራ ኤርትራ ዝምልከቱ ሕቶታት ይበጋገሱ ኣለው’። መንግስቲ ኤርትራ ‘የለኹሉን’ ዋላ’ውን እንተበለ፣ ሓደ ፍሉጥ ላዕለዋይ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ግና ‘ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ክልል ትግራይ ይሳተፉ ከምዘለው ኣረጋጊጹ ኣሎ’። ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም ‘ሰራዊት ኤርትራ ናብ ውግእ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም እዮም’ ምባሎም ምስ’ቲ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካን ካልኦት ግዳማዊ ተዓዘብቲን ብመሰረት ሳተላይታዊ ጭብጢታት ተመርኪሶም ዝብልዎ ዝነበረ ዝቃዶ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ኦንታርዮ ካናዳ ዩኒቨርስቲ ኩን ዝነጥፍ ዶ/ር ዓወት ወ/ሚካኤል ብወገኑ ‘ተሳትፎ ኤርትራ ኣብ’ቲ ውግእ ካብ ፈለማ መዓልቲ’ቲ ውግእ አትሒዙ ዝፈለጥናዮ ሓቂ እዩ’ ይብል። አዛዚ ሰራዊት እዚ ሰሜን ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩም ‘ዘይተደለየ ወጻእተኛ ሰራዊት ኣትዩ’ሎ’ ኢሎም። ኣብ ከይዲ እቲ ውግእ፣ ሰራዊት ኤርትራ ንኣብ ክልል ትግራይ ዘዕቆቡ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣጥቂዑን ጨውዩን ተባሂሉ’ውን ብኣህጉራዊያን ተዓዘብቲ ተኸሲሱ ኣሎ። ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ 96 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቑቦም ምህላዎም ይፍለጥ። እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ኣሜሪካዊያን ሴነተራት ኮርይ ቡከርን ቶድ ያንግን ኣብ ሓባራዊ መግለጺኦም ‘እቲ ተግባር ደው ንክብል ጸዊዖም’ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ምብጽሑ ተገሊጹ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን አማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝምራሕ ልኡኽ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንፕረዚደንት ቤት ምክሪ ሉኣላዊነት ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብዱራሕማን ኣል-ቡህራን ሎሚ ሶሉስ ምብጽሑ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ገሊጾም። ኣብቲ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ምኽባር መዓልቲ ናጽነቱን ሓድሽ ዓመትን እንኳዕ ኣብጽሓኹም ምባሉ ተሓቢሩ'ሎ። ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ርክቦም ክልቲኣዊ ዝምድና ንምሕያል ጭቡጥ ስጉምትታት ንምውሳድን ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምትግባርን ምዝርራቦም ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ'ሎ። ሓይልታት ሱዳን ንዶብ ሰጊሮም መሬት ኢትዮጵያ ምሓዞም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝነብረ ውጥረት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝሃደአ እንተኾነ እውን ሓይልታት ሱዳን ንዶብ ሰጊሮም መሬት ምሓዞም ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ኢትዮጵያ እቲ ፀገም ብሰላም ክፍታሕ ከም እትደሊ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደ ዲና ሙፍቲ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝ ሃቡዎ መግለፂ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ንልዕሊ ሓደ ምእቲ ዓመት ብኢትዮጵያዊያን ክሕረስ ዝነበረ መሬት ዶብ ሰጊሮም ብሓይሊ ከምዝሓዙዎ ኣፍሊጦም። ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ምትሕግጋዝን ሰላማውን ርክብ ንክቕፅል ድልውነት ከምዘሎ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ወፃኢ ጉዳይ ምንስቴርን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ቀረባ ኣብ ሱዳን ኣብዝበፅሕሉ እዋን ንናይ ሱዳን መዘንኦም ከምዝገለፅሎም ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም። ካብ ሱዳን ዝተርኣየ ግን ናይዚ ተፃራሪ እዩ ኢሎም። ‘’ናይ ሱዳን ሰኪሩቲ፣ናይ ሱዳን ዕጡቓት፣ናይ ሱዳን ወታደራት ንዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም መጥቓዕቲ ዝፈፀምሉ፣ናይቲ ሓረስታይ ሕርሻ ዝወረርሉ ናይ ሓረስታ ሃፍቲ ዝወሰዱሉ ሕሉፍ ሓሊፍ ብሚዲያ እናወፁ ኮላይ ፖለቲከኛታት እዚ ናትና ዶብ እዩ፤እዚ ናትና መሬት እዩ፤መሬትና መሊስና ሒዝና ኣለና፤ኣይንወፅእን ክሳብ ምባል እዮም በፂሖም ብፍላይ ብገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳን ሓዊሱ እዩ እዚ ዝስማዕ ዘሎ’’ ኢሎም። ኣብዚ ስዓት ንሕጊ ጥሒሶም ንከባቢ ሓደ ምእቲ ዓመት ተፈሊጡ ግን ዘይተጠረረ ዶብ ሒዞም እዮም ኮፍ ኢሎም ዘለው ኢሎም። እዚ ብሱዳን ዝተፈፀመ ተግባር ብካልኦት ሓይልታት ዝተደፍኣሉ እዩ ኢሎም። እቶም ተዋሳእቲ ኣብ ሱዳን ውሱናት ወታደራት ሓዊሱ ኤሊታት ፖለቲካ ምዃኖምን ኮይኖም ግን ብቀንድነት ካብ ወፃኢ ንህዝብታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘይግደሱ ብፍላይ እዚ ዞባ ክህወኽ ዝደልዩ ሓይልታት ምህላዎ እዩ ኢሎም። እዞም ናይ ባዕሎም ረብሓ ኣለዎም ዝበሉዎም እዞም ሓይልታት ፍሉጣ ስለዝኾኑ ሽሞም ምጥቃስ ኣየድልን ብሓፈሻ ናይ ሱዳን ይኹን ናትና ምዕባለ ዘይደልዩ እዮም ኢሎም። ንሕና ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ርክብ ክንሕብሕቦ ኢና ንደሊ ተዘይኮኑ ንሳቶም ናብ ዝደልዩዎ ጭካ ኣቲኻ ናብ ፀግም ምእታው እዩ ክኸውን ኢሎም ኣምባሳደር ዲና። ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈፀመ መግሃስቲ መሰላት ብነፃ ኣካል ክምርመር ብሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ካልኦት ኣካልት ዘቕረቡዎ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዱቕ ገይሩዎ ንዝብል ክሲ እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ።በርታት ሰብኣዊ ረድኤት እውን ክፍቲ እዩ ኢሎም። ኣብቲ ከባቢ ዝተፈፀሙ ኣትሮሲቲስ \ጭካነታት/ ብዝኾነ ይኹን ይፍፀም ንቕድሚት እናተፃረየ ብግልፂ ናብ ኣደባባይ ዝወፀሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ ኢሎም። ነፃ ምርመራ ዝተኸልከለሉ ኩነታት የለን ኢሎም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብምውሳኽ። ኢትዮጵያ:ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ልዕሊ 100 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም ነበርቲ ገሊጾም ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከል ወረዳ ዞን ቡለን ጣቢያ በኩጂ ልዕሊ 100 ሰላማዊያን ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊፆም። እቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ዞባ መተከል ተረኺቦም ምስ ነበርቲ ድሕሪ ምዝርራቦም እዩ። ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ልዕሊ ስቪላት መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ኣረጋጊፁ ኣሎ። እቲ መጥቓዕቲ ሰብ ብድቅሱ ኣጋ ወጋሕታ ከምዝጀመረ ካብቲ መጥቓዕቲ ሃዲሙ ዘምለጠ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለ ነባሪ ተዛሪቡ። እዚነባሪ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈፀሙዎ ናይቲ ክልል ፍሉይ ፖሊስ ዝተኸደኑ ዕጡቓት እዮም ኢሉ ኣሎ ። ፅፁይ በዝሒ ግዳያት ምስተፃረየ ከምዝፍለጥ እውን ተገሊፁ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ሲፒጄ: ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ ቀልጢፎም ክፈትሑን ንካልኦት ጋዜጠኛታት`ውን ምክልባት ደው ከብሉን ጸዊዑ ኮሚቴ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት(ሲፒጄ) ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ ዳዊት ከበደ ቀልጢፎም ክፈትሑን ንካልኦት ጋዜጠኛታት`ውን ምክልባት ደው ከብሉን ንጽውዕ ኢሉ ። ኣብ ሲፒጄ ወኪል ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ሙቶኪ ሙሞ፥ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ነቕፍቲ ጽሑፋትን ርእይቶታትን ከውጽኡ ናጻ ክኾኑ ኣለዎም-እዚ ግን ማእሰርትን ንሰሙናት ብዘይክሲ ምጽናሕን ኣብዘለዎ ሃዋህው ክኸውን ኣይክእልን`ዩ ኢሉ። ኣዳላዊ ኣውራምባ ታይምስ ዳዊት ከበደ፥ናይ ሓሶት ኢንፎርመሽን ኣውጺእካ ብዝብልን ካልእ ክስታትን ፖሊስ ዝሓለፈ ሕዳር 30 ከምዝኣሰሮ ተጠቒሱ`ሎ። ኣብ ታሕሳስ 2 ድማ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ከምዝነበረን ፖሊስ ህውከት ብምልዕዓል ከሲስዎ ከምዝነበረን`ውን ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ዜና ፋናን ናይ ውልቂ ኣዲስ ስታንዳርድን ምጽብጻቦም ሲፒጄ ጠቒሱ`ሎ። ሚ/ምክልኻል ኢትዮጵያ መራሕቲ ህውሓት ዘለውዎ ንዝሓበረ 10 ሚልዮን ብር ገንዘብ ከምዝሽልም ኣፍሊጡ መራሕቲ ህወሓት ዘለውሉ ቦታ ሓበሬታ ንዝሃበ 10 ሚሊዮን ብር ከምዝሽልም ናይ ኢትዮጵያ ሚኒስትር ምክልኻል ኣፍሊጡ። ሎሚ ዓርቢ ንመራኸቢ ብዙሃን መግለፂ ዝሃቡ ዋና ሓላፊ ክፍሊ መረዳእታ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሌቴናል ጀነራልኣስራት ዴኔሮ ‘’ጁንታ’’ ኢሎም ንዝፀውዕዎ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም። ንሶም እቲ ወታሃደራዊ ወፍሪ ኣብቶም ዝሓለፉት ክልተ ሰሙናት ዕጥቕን ሓይሊ ሰብን ህወሓት ደምሲሱ ድሕሪ ምባል መራሕቲ ህወሓት ዓቕሞም ተዳኺሙ ፈቖዶ ተበታቲኖም ኣለው ኢሎም። ሌተናል ጀነራል ኣስራ ዴኔሮ ብምውሳኽ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ሓበሬታ ንዝህቡ ሰባት ሓይልታት ምክልኻል ሽልማት ክህብ እዩ ኢሎም ኣለው ። 'ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘጋጠመ ግጭት ንምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዘንጸባርቕ ኣይኮነን'ኣምባ.ዲና ሙፍቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝሓለፈ ሰሉስ ዘጋጠመ ግጭት ንምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዘንጸባርቕ ኣይኮነን ክብሉ ወሃቢ ቃል-ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጦም። ኣብ`ቲ ዶብ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ኩነታት ሰሜን ምስ ተንቀሳቐሰ ዘጋጠመ ናይ ጸጥታ ክፍተት`ዩ`ውን ኢሎም። ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንጎ ወተሃደራት ክልቲአን ሃገራት ግጭት ከም ዝነበረ ብወገን ሱዳን ተገሊጹ`ዩ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕብኡ ክምልስ ከሎ፥ ብምኽንያት ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ሰሜን ፥ ሰራዊት ከም ዝተንቀሳቐሰ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሽሕ`ኳ ብማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ዝተደገፈን ዝተዋህበ ኣመራርሓን`ዩ ኢልና እንተዘይኣመና ብሱዳን ወገን ዘሎ ሓይሊ ናባና ናይ ምእታውን እኽሊ ሓረስቶት ናይ ምዕጻድን ዝኣመሰሉ ዘይ-ሕጋዊ ምንቅስቓሳት ምግባሮም ተራእዩ`ዩ ኢሉ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ "እዚ ነገር ምስ ኣጋጠመ፥ ናብ መንግስቲ ሱዳን መልእኽቲ ኣመሓላሊፍና ኣለና። እቲ መበገሲን ትሕዝቶን ገሊጽናሎም ኣለና። ብዝኾነ ሽሕ`ኳ ብላዕላዋይ ኣመራርሓ ዝተፈጸመ እንተዘይኮነ፥ ኣብዚ እዋን ሃገርና ኣብ ጸገም ከም`ዘላ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ክፍተት ብምጥቃም ኣብ ታሕታዋይ ጽፍሒ ብዘለዉ እዚ ምፍጻሙ ከምዘሕዘነና ንመንግስቲ ሱዳን ተገሊጹ'ዩ ነቲ ጉዳይ ነባሪ ፍታሕ ክረክብ ብላዕላዋይ ደረጃ ኣመራርሓ ንምዝርራብ መደብ ኣሎ" ኢሉ ። እቲ ግጭት ዘጋጠመ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኢትዮጵያ በጺሑ ምስ ተመልሰ ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ዩ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምስ ሱዳን ዘለና ምሕዝነት ድልዱል ምሕዝነት'ዩ ክልቴና ንደልዮ እዩ እዚ ሕጂ ኣብ ዶብ ዘጋጠመ ኩነታት'ውን ድልየት መንግስቲ ሱዳን'ዩ ኢልና ንኣምን'ኳ እንተዘይኮነ በቶም ታሕተዎት ክፍሊ ምፍጻሙ ግን ግቡእ ዘይምዃኑ ብምግላጽ ክንሰርሕ ኢና ኢሉ። ብሽም ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣቐድም ኣቢሉ ዝወጸ መግለጺ፥ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ግዝኣትና ብምእታው ካብ ሓለዋ ይምለሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታና መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኔሩ'ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ህልዊ ኩነታት ትግራይ ብተፀዋዒ ፓርቲ ብልፅግና ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል (2ይ ክፋል) ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ40 ማዕልታት ብዘቑፀረ ግጭት ብዙሕ ዕንወት ኣውሪዱ ንኣሽሓት ሰባትከምዝቐተለ፣ልዕሊ 50,000 ሰባት ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ክሃደሙን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እውን ክመዛበሉ ከምዘገደደን ዓለምለኸ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምግላፅ ይርከባ። ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብኔ ብምጥያሽ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብ ትግራይ ተፀዋዒ ፓርቲ ብልፅግና ኣቶ ነብዩ ስሑል ይገልፅ። ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል ኣብ ግጭት ትግራይ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ሓዊሱ ዝተሳተፈ ናይ ወፃኢ ሓይሊ የለን ኢሉ። ገለ ነበርቲ መቐለ ወታደራት ኤርትራ ምርኣዮም፣ህወሓት እውን ሰራዊት ኤርትራ ብቐጥታ ኣብቲ ኵናት ይሳተፍ ኣሎ ክብል ንዘቕረቦ ተደጋጋሚ ክሲ፣ናይ ኣሜሪካ መንግስቲ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምስታፎም እሙን ሪፖርትታት ምርካቡ ዘተሓሳስብ ምዕባለ ምዃኑን ወታደራት ብህፁፅ ክወፁ ንፅውዕ ንዝብልን መግለፂ ኣቶ ነብዩ ስሑል ሚካኤል እዚ ኩሉ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ኢሎዎ። ብዛዕባ ኣብ ምዕራብ ትግራይን ደቡብ ትግራይ ይካየድ ኣሎ ዝብሃል ናይ ወሰን ኣምለስቲ ምንቅስቓስ ዝተሓተተ ኣቶ ነብዩ ብሕገ መንግስቲ ዝተጣየሻ ክልላት ዝጥሓሰሉ ዋላ ሓደ ምኽኒያት የለን ‘’ብ ጉልበት ወይ ብሽፍትነት’' ዝፍፀም ተግባር ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።ሕቶታት ምልዓል ፀገም የብሉን ‘’ሕጋውነት ተኸቲልና እንፍፅሞም ልክዕ እዮም ሕጊ ዝጠሓሰ ኣካይዳ ድማ ጌጋ ስለዝኾነ ብኡ ልክዕ ሕጊ ናይ ምኽባር ክስራሕ ክትግበር እዩ’’ ክብል ገሊፁ። ’’ኣብ ሓደ ሓደ ወሰና ወሰናት ይርኣዩ ዘለው ነገራት ዘይሕጋዊ እዮም ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕና ኣብኣቶም እውን ተፈፃሚ ዝኸውን እዩ ‘’ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ሕቶታት ብሕጊ፣ብዴሞክራሲ ብሰላም ክፍትሑ እዩ ከም ብልፅግና ዘሎ ኣረዳድኣ ምስ በለ ካብ ሕጊ ወፃኢ ንዝግበር ነገር ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ኢሉ ኣሎ ኣቶ ነብዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከተማታትን በደል ይፍፀመና ኣሎ ብዛዕባ ዝብሉ ተወለድቲ ትግራይ ዝተሓተተ ኣቶ ነብዩ እቶም ፀገማት ምህላዎም ከምዝፈልጥ ብምሕባር ዝተፈጠሩን ንከይፍጠሩን ልዑል ፃዕሪ ንገብር ኣለና ኢሉ ሓላፊ ብልፅግና ፓርቲ ትግራይ ኣቶ ነብዩ ስሑል። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ተንተንቲ: ናይ ዓረብ ኢማራት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ተሳቲፈን ዝብል መረዳእታ የለን ይብሉ ኣብ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ናይ ዓረብ ኢማራት ድሮን ማለት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣለዋ ግን ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ተሳቲፈን ዝብል መረዳእታ የለን ኢሉ ሓደ ተንታኒ ጸጥታ። መራሕቲ ህወሓት ናይ ዓረብ ኢማራት ድሮን ኣብ ክልል ትግራይ ደብዲበን ምባሎም ይዝከር። ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ኩናት ናይ ባዕሉ ድሮን ኣዋፊሩ ምንባሩ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ዩ። ዊም ዝዊነርበርግ ኣብ PAX ዝተባህለ ብዛዕባ ወታሃደራዊ ቴክኖሎጂ ዘጽንዕ ትካል ዳይሬክተር ፕሮጀክት ሰብኣዊ ምፍታሕ ኣጽዋር'ዩ። ብናይ ኣሜሪካ ‘ፕላነት ላብ’ ዝተባህለ ዝውሰድ ናይ ሳታላይት ስእልታት ከጽንዕ ጸኒሑ'ሎ። ንሱ ብዓረብ ኢማራት ዝእዘዛ ድሮን ማለት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ከምዘለዋ ይገልጽ። እተን 20 ሜትሮ ክንፊ ዘለወን ዊንግ ሎንግ ቁጽሪ 2 ዝተባህላ ስርሒት ቻይና ዝኾና ነፈርቲ ፥ ቦምብ ንምድርባይን ንሚሳይላት ናይ ምህራምን ብቕዓት ከምዘለወን'ውን ይገልጽ። እንተኾነ ይብል ንሱ፥ እተን ናይ ኢማራት ዓረብ ድሮን ኣብ ኢትዮጵያ ምብራረን ዝኾነ ምልክት ክንረክብ ኣይክኣልናን ኢሉ። ብኻልእ ወገን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሓሙሽተ ሽሞም ዘይጠቐሶም ዲፕሎማት ከም ምንጪ ተጠቒሙ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ዝዘርግሖ ዜና፡ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ምስታፎም ዘመልክት ኮይኑ'ሎ። ሮይተርስ: ኣብቲ ወርሒ ዝገበረ ብመሰረት እምነት ኣሜሪካ ተሳትፎ ኤርትራ ምንባሩ ዘርኢ ኩናት ፥ናይ ሳታላይት ስእልታትን ዝተጠልፈ ርክባትን መረዳእታ ኣሎ ካብ ክልል ትግራይ ዝስማዕ'ውን ኣሎ ይብል ። ፖለቲከኛ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር መልእኽቲ፥ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ሕጂ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ኣዕናዊ ኩናት ነተን ኣብ ዓሰብ ዝርከባ ድሮን ዓረብ ኢማራት የሳትፈን ኣሎ ኢሉ ኔሩ። ተሌቪዥን ክልል ትግራይ'ውን ድሮንን ኣብ ኣፍሪቃ ዘየለን ቴክኖሎጅን ዘለዎ ዘመናዊ ኣጽዋራት ኣብ ምጥቃዕ ክልል ትግራይ ውዒሉ ክብል ኣብ ፈይስቡኩ ደጊምዎ'ዩ። ኢትዮጵያ ንስትራተጂካዊ ዒላማታት ክልል ትግራይ ከምዝደብደበት ኣፍሊጣ'ያ። ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ዪልማ መርዳሳ፥ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ ነፈርቲ ኩናትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ምጥቃሞም ኣፍሊጡ'ዩ። ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ"ንባዕላትና ኣሰልጢናን ዓጢቕናን ኢና፡ ካብ ማእከል ኢትዮጵያ ድማ ስራሕና ንፍጽም ኣለና፡ ካልእ ዝብሃል ንምድንጋር'ዩ። ንጸላኢ ባዕልና ብዝሃነጽናዮ ሓይሊ ኢና ንድምስሶ ዘለና" ኢሉ ። ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ራብዓይ ዝዓበየ ሓይሊ ኣየር ኣለዋ ዝበለ ተንታኒ ጸጥታ ዝዊነንበርግ ብወገኑ፥ ብሰብ ዝበራ ነፈርቲ' ስትራተጂክ ዒላማታት ክሃርማ ምበር ሰብ ኣልባ ነፈርቲ ብሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጠቕሚ ምውዓለን መረዳእታ የብልናን ይብል። ስለዚ ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ፥ ካብ ናጻ ሓበረታን ካብ ናይ ሳታላይት ስእልታትን ንምርግጋጽ ምስራሕ ጽቡቕ'ዩ ኢሉ። ኣብቲ ኩናት ዓወት ዝኣወጀ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፥ ሰሜናዊ እዚ ስለ ዝተጠቕዐ እቲ ኩናት ኣብ ልዕሊ ገለ መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተወስደ ስጉምቲ'ዩ ይብል። ህወሓት ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ውግእ'ዩ ብምባል ሓይልታቱ ምውግኦም ከምዝቕጽሉ ኣፍሊጡ'ዩ። ዊም ዝዊነንበርግ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዝገበሮ ቃለ ምጠይቕ፥ ኣብ ግጭት ትግራይ ዝኾነ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ናይ ድሮን ጣልቃ ብኣህጉራዊያን ተዓዘብቲ ከይተራእየ ክሓልፍ ዘይመስል'ዩ ኢሉ'ሎ። ኬንያ: ኢትዮጵያ ንወደብ ላሙ ክጥቀም ዘኽእላ ዝርገሐ ትሕተ ቅርጺ ተሳልጥ ከምዘላ ኣፍሊጣ ኬንያ ኢትዮጵያ ንወደብ ላሙ ክትጥቀም ዘኽእላ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ተሳልጥ ከምዘላ ኣፍሊጣ ። ንኽልተ መዓልቲ ዑደት ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬኒያታ ብምዃን ኣብ ወደብ ለሙ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዶም እዮም ። ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ከራኽባ ዝኽእል ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ይዛዘሙ ምህላዎም ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቅሎም ገሊጾም ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ህልው ኩነታት ከምዘተሓሳሰቦም እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ እዩ ። ኩነታት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱን ነጻ ዝኾነ ምንቅስቃስ ሰብኣዊ ሓገዛት ክመዓራረ ኣተሓሳሲቦም ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንልዕሊ ወርሒ ዘሎ ግጭት ዝተገብሩ ፈተነታት ዘይምስላጦም ህዝቢ ንዝበኣሰ ምግልታዓትን ፀበባን ምቕልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘተሓሳሰቦ ወሃቢ ቃል’ቲ ትካል ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብቲ መግለፂ ሓቢሮም። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቅልጡፍ ልዕልና ሕጊ ናብ ዝነበሮ ክምለስ:ሰብኣዊ መሰላት ሙሉእ ብሙሉእ ክኽበሩ ፣ ማሕበራዊ ርክባት ክዓስልን ኩለመዳይ ዕርቂ ክመፅእ ክስራሕ ከምዝግባእ ከምኡ'ውን ህዝቢ ኣገልግሎት ዝረኽበሎም ትካላት ከምሓዱሽ ተጣይሾም ነፃ ዝኾነ ምንቅስቃሳት ንወሃብቲ ሓገዝ ዘፍቅድ ኣሰራርሓ ክፍቀድ ግድን ከምዝኾነ እዩ ዘብርህ ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብናይ ርእሱ ተበግሶ ይገብሮም ንዘሎ ፃዕርታት ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝድግፎን ከምኡ'ውን በዚ ግጭት ንዝተመዛበሉን ኣብ ኣፅጋሚ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምሃብ ሙሉእ ብሙሉእ ድሉው ምዃኑ ገሊፁ። ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡን መልእኽቶም ከምዘመሓላለፉን ዝሓበረ እቲ መግለፂ ብተመሳሳሊ ምስ ኣመሓደርቲ ክልልን ኣብቲ ባይታ ዝርከቡ ወኪላት ሕቡራት ሃገራት መልዕኽቶም በብእዋኑ ከመሓላለፉ ምጽንሑ ሓቢሩ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ን250 ሺሕ ዜጋታት ዝኸውን ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከም ዝተላእከ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ነቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘተሓባብሩ ጉጅለታት ከም ዝተመደቡ'ውን ሓቢሩ'ሎ። ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዘምርሑ ከምዝነበሩ ዝገለጹ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ተኹሲ ዘጋጠሞም ንክልተ ኬላታት ጥሒሶም ንሳልሳይ ክደግሙ ክብሉ ምዃኑ'ውን ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን ገሊጾም ኣለዉ። ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ዝርከባ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ሕወሓትን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ዝነበራ ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂምን ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኣምባሳደር ኣዲስ ኣለም ባሌማን ድማ መርመራ ይካየደሎም ከም ዘሎ እቶም ወሃቢ ቃል ሓቢሮም ኣለዉ። ኣምባሳደር ረድዋን ሑሴን ኣብ ህድማ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት ድማ መብዛሕቲኦም ኣብ ቀረባ መዓልታት ወይ ሳምንታት ተታሒዞም ናብ ፍርዲ ክቐረቡ'ዮም ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ኬንያ: ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማል ምትእትታው ተኻይድ አላ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳየይ ጣልቃ ትኣትው ኣላ ክትብል ሶማል ንዝቐረበቶም ክሲ ነፂጋቶ።ናይ ሶማል ማእኸላይ መንግስቲ ክስታት ጣልቃ ምእታው ናይሮቢ ብምቕራብ ንኣምባሳደር ኬንያ ኣብ ሞቓድሾ ፀዊዑ ኣዘራሪቡ ኣሎ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ግን ነቲ ኽሲ ነፂጉዎ ኣሎ። ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ ኬንያ ንመሰል ርእሰ ውሳነ፣ልኡላዊነት፣ናጽነት ፖለቲካን ግዝኣታዊ ሓድነትን የኽብር ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለው መሰረታዊ ዓለምለኻዊ መትከላት የኽብር እዩ ይብል። ሕ/ሃ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ሃገራት ንምሕጋዝ 35 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ገሊጹ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ዝያዳ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ኣብ 56 ሃገራት ዓለም ዝርከቡ 165 ሚልዮን ሰባት ዝውዕል 35 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ሓቢሩ ። ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዛት ማርክ ሎውኮክ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአን ዝፀልመተን እዋን ክብሉ ነቲ ኣብ ዓለም ዝለዓሉ ዘለዉ ቅልውላዋትን ኣብ ሰብኣዊነት ዘብፀሖ ዘሎ ሳዕቤንን ይገልፅዎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኹናት ደው ክብል ጸዊዖም ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ኩሉ ውግእ ጠጠው ክብል ፀዊዖም። እቲ ፃውዒት ይቐርብ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ወታሃደራቶም ኣብ ከተማ መቐለ ዝረኸቡዎ ዓወት ኣብ ዘወደስሉ እዋን'ዩ። "ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪብና፤ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ውግእ ምሉእ ብምሉእ ጠጠው ክብል፣ልዝብ ክጅመር፣ነፃ፣ዕንቅፋት ዘይብሉ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ክህልው ኣለዎ’’ ክብሉ ፖምፒዮ ትማሊ ሶኑይ ብትዊተር ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ክልል ትግራይ ኵናት ካብ ዝጅምር ኣገልግሎታት ቴሌኮምኒኬሽንን ኢንተርኔትን ብዘይምህላው ይቐርቡ ዘለው ህውከትን ብዝሒ ሞትን ምርግጋፅ ኣይክኣልን። መራሒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \ህወሓት\ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብናይ ፅሑፍ መልእኽቲ /text/ እቲ ውግእ ከምዝቐጸለን ሓይልታቶም ንነፋሪት ወግእ ኢትዮጵያ ሃሪሞም ምውዳቖም ገሊጾም ኣለው። ካብ መንግስቲ ይኹን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ ኣይተወሃበን። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሓይልታትን መራሕቲን ህውሃት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ኢዶም ክህቡ ጸዊዖም:ዶ/ር ደብረጽየን ምላሽ ሂቦም ኣለው ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሓይልታት ክልል ትግራይን መራሕቲ ህውሓትን ኢዶም ክህቡ ወይ ኣብ ዋና ከተማ መቐለ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ከምዝፅበዮም ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንመራሕቲ ህወሓት ዓሊሞም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ‘’ናይ ጥፍኣት ጉዕዘኹም እናተዛዘመ ብምዃኑ ኣብ ዝቕፅሉ 72 ስዓታት ብሰላም ኢድኩም ንኽትህቡ ነተሓሳስበኩም’’ ኢሎም ። ንሶም ብምውሳኽ ‘’እዚ ናይ መወዳእታ ዕድል ተጠቐምሉ’’ ኢሎም ። መራሒ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ንመራኸቢ ማዕኸናት ክልል ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ይወሃብ ዘሎ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ 72 ስዓታት መጠንቀቕታ ዝተናውሐ ብፅንዓት ስለዝመከትናዮ እዩ ኢሎም። ድልየቶም ኣብ ዝተቐመጡ ስዓታት ክውዳእ ከምዘይኽእል ዝገበርናዮ ፅኑዕ መኸተና እዩ ኢሎም። ‘'ናትና ድልየት ናይ ግዜ ምሕፃርን ምንዋሕን ዘይኮነስ ምሉእ ዓወት እዩ፤መሊእና ክሳብ ንዕወት ክንቃለስ ይግባእ፤ትማሊ ኣብዝተፈላለዩ ዓውደ ውግኣት ዝተረኸቡ ፍሉያት እዮም፤ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ፍልይ ዝበሉ ተግባራት ተፈፂሞም እዮም፤ናይ ውግእ ዓቕምና ካብ ዕለት ናብ ዕለት መልክዕ እናሓዘ ይመፅእ ኣሎ’’ኢሎም ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ 25 ጥቅምቲ 2013ዓ\ም ጀሚሩ ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ውግእ ይርከቡ። እቲ ኵናት ካብ ዝጅምር ብ ኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ኣሽሓት ድማ ናብ ሱዳን ሃዲሞም ኣለው። ኣብቲ ክልል ርክባት ኢንተርኔትን ስልክን ብምጥፍኡ ብዝሒ ዝሞቱንን ሪፖርትታት ዓመፅን ንምርግጋፅ ከቢድ ገይሩዎ ኣሎ። ብኻልእ ዜና ብሓይልታት ምኽልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብዝተታሓዙ ከተማ ኣላማጣን ከባቢኡን ዝርከባ ጣቢያታት ግዚያዊ ምምሕዳር ምጥያሹ ተሓቢሩ'ሎ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ከምዝበሉ እቲ ዜና ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩኒቨርሲቲ መቀለ ዝተፈጸመ ደብዳብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ መልሲ ንምርካብ ከምዘይካኣለ ኣሶሴትድ ፕረስ ሓቢሩ። ሰራዊት ኢትዮጵያ 'ንኣኽሱም ዓድዋን ከባቢ ዓዲግራትን ተቆጻጺረ ከምዝበለ' ተሓቢሩ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ "መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኣኽሱም ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቆጻጸረ" ገሊጻ። እዚ ዜና’ዚ ብሳልሳይ ወገን ንምርግጋጽ ግና ኣይተካእለን። ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ብመሰረት መግለጺ ናይ ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ "እቲ ሰራዊት፣ ንኣክሱም፣ ዓድዋን ዙርያ ዓዲግራትን ተቆጻጺሩ’"ትብል። እቲ ዜና ኣብ ግንባር ምዕራብ ንዝነበረ ናይ ህወሓት ኃይሊ ኣጥቂዑ፣ ድሕሪ ሽረ ኣብ ሰለኽለኻ መሺጉ ንዝነበረ ኃይሊ ህወሓት ሰይሩ ንኣኽሱም ከምዝተቆጻጸረ’ውን ይሕብር። ብርክት ዝበሉ ተዋጋእቲ ህወሓት ኢዶም ከምዝሃቡ’ውን ገሊጹ። ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ብምዃን ኣብ ክልል ትግራይ መጥቓዕቲ ፈጺሙ ንዝብል ክሲ ነጺጎም ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ‘ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ ይፍጽም ኣሎ ንዝብል ናይ ህወሓት ክሲ ነጺጎምዎ’ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ዝርከብዎም 39 መራሕቲ ህወሓት፡ ዘይምኽሳስ መሰሎም ቀንጢጡ።ፓርላማ ኢትዮጵያ እቶም ኣባላት ህወሓት ድማ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሃገራዊ ምክልኻል መጥቃዕቲ ብምፍጻም ጥርጡራት`ዮም ኢልዎም ኣሎ-። ግጭት ክልል ትግራይ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን ክስደዱ ቀሲቡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ሱዳን ይሃድሙ ከምዘለው ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ካብ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ንዝሃደሙ ልዕሊ 7,000 ሰባት ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ንምቕራብ ምስ ሰበስልጣን ሱዳን ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ። ደቂ ኣንስትዮ፣ህጻናትን ደቂ ተባዕቲዮ ንደሕንነቶም ክብሉ ናብ ሱዳን ይሃድሙ ዘለው ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ እዩ። ብዝተሓሓዝ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ወታሃደራዊ ምፍጣጥ ስግኣት ዝሓደሮም ነበርቲ ከባቢ ዋጃ ክልል ትግራይ ናብ ጎረቤት ዞባ ሰሜን ወሎ ቆቦ ይኸዱ ከምዘለውን እቲ ውግእ ካብዝጅመር ኣስታት 300 ሰባት ናብ ቆቦን ወልዲያን ምኻዶም ተገሊጹ’ሎ። ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣቶ ወልደትንሳኤ መንግስቱ ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉ ሓገዝ ከምዝግበር ገሊፆም ። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፥ 2 ኣባላት ምክልኻል ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ጥርጡራት ሽበራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፥ ክልተ ኣባላት ምክልኻል ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ጥርጡራት ሽበራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተዉ ፖሊስ ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ደቡብ ነቢዩ ኢሳያስ፥ እቶም ዝተታሕዙ ሰባት፡ በቲ ኣብ ወረዳ ጉራፈርዳ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብሄረሰብ ኣምሓራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝድለዩ ዝነበሩ እዮም ኢሉ። ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርጋሳ ብወገኑ፥ ልዕሊ 20 ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ’ሎ። እቶም ዕጡቓት እቶም ኣብ ጉሊሶ ወረዳ ብሄር ዝተኮር መቕተለቲ ዝፈጸሙ`ዮም ኢሉ’ሎ። ሓዲሽ ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ክኸውን ጸዊዑ። ነቲ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ሓላፊ ጸጥታን ስለያን ክኸውን ዝተሾመ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ዝተክአ ሓዲሽ ርእሰ- ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሃቦ መንግለጺ፥ እቲ ወታሃደራዊ ስርሒት ነቶም ጸረ ሰላም ገበነኛታት ናብ ፍትሒ ንምምጻእ ዝዓለመ`ዩ ኢሉ። ፈደራሊስት ኮንግረስስ ኦሮሞ ኣብታ ሃገር ኣብ ግጭት ዘለዉ ወገናት ሓይሊ ምጥቃም ገዲፎም ናብ ዘተ ሰላም ክመጹ ጸዊዑ። ኦፈኮ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ፖለቲካዊ እሱራት ይፈትሑ ከምኡ`ውን ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ዘተ ይገበር ኢሉ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ዝሓለፈ ቀዳም ድማ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፥ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ብተለፎን ከምዝተዘራረቡን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭትን፥ ብዛዕባ ብኢጋድ ዘሎ ናይ ናይ ልዝብ ሕሳብን ከም ዝተዘራረቡ፡ ተሓቢሩ`ሎ። 'ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኹሉ ኣጽዋር ኹናት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር'ቲ ክልል ውዒሉ'ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኹሉ ኣጽዋር ኹናት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር'ቲ ክልል ውዒሉ ክብሉ መራሒ'ቲ ክልል ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ተዛሪቦም። ዶ/ር ደብረጽየን ንመሓውራት ዜና'ቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሕጂ'ውን እንተኾነ መንገዲ ሰላም ኢና ንመርጽ እንተዘይኾይኑ ግን ንዝመጸና 'ወራሪ' ዝበልዎ ክንከላከል ኢና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available መግለጺ ዓለምለኸ ወገናት ኣብ ኩነታት ክልል ትግራይ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብኮማንድ ፖስት ዝምራሕ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ክወስድ ትእዛዝ ከምዝተውሃቦ ኣዊጆም። ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ካምፕታት ሰራዊት ምክልኻል መጥቓዕቲ ከምዝፈጸመ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ መወዳእታ ቀይሕ መስመር ስለዝተሓለፈ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ናይ መወዳእታ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣማራፂ ኮይኑ ኣሎ ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ወታደራዊ ሓይሊ ናብ ክልልትግራይ ምልኣኽ እቲ ወጥሪ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልላዊ ሰበስልጣንን ዘጋድድ ጥራሕ ዘይኮነስ ህይወትብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደጋ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ክፍፀም ዝገብርን እዩ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቢሩ። ዞባዊ ዳይረክተር ምብራቕን ደቡባዊን ኣፍሪካ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዲፕሮስ ሙቸና ሰበስልጣን ፈደራልን ክልልን ዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ክልል ትግራይ ዝኸበር ምዃኑ ከረጋግፁ ኣለዎም ኢሎም ። ንሶም ሰበስልጣን ሰባት ነንሕድሕዶም ክራኸቡን ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ንምክትታል ክኽእሉን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቋረፀ ርክባት ስልክን ኢንተርኔትን ብቕልጡፍ ናብቲ ዝነበረ ክመልሱዎ ንፅውዕ ኢሎም። ብኻልእ ዜና ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ብቕልጡፍ ክጋደድን ብኽልቲኦም ወገናት ዝውሃብ ግብረመልሲ ብቕልጡፍ ከሃድእዎ ፀዊዑ።እቲ ኤምባሲ ዘውዕኦ ሓፂር መግለፂኩሎም ወገናት ንድሕንነት ስቪላት ቀዳምነት ክህቡ ንፅውዕ ይብል ። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዋና ፀሓፊ ናይ ኖርወይ ስደተኛታት ካውንስል ጃን ኢገላንድ ኣብታ ቅድም ክብል ጃምላዊ ምምዝባልንሰፊሕ ድልየታት ሰብኣዊ ሓገዛትን ዘድልያ ኢትዮጵያ ወጥሪ ተጋዲዱ ምቕፃሉ ብዓሚቕ ከምዘሻቐሎም ገሊፆም። ኣብ ክልል ትግራይ ብኢሱዎ ዝቐፀለ ኵናት ብኣማእቲ ሽሕ ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ኣሎ ኢሎም።ብምውሳኽዝኾነ ይኹን ህውከት ክንህር ምግባር ዞባዊ ዘይምርግጋእን ሰብኣዊ ሓደጋን ዘጋድድ እዩ ኢሎም ። መግልፂ እቶም ዋና ፀሓፊ ወጥሪታት ብልዝብ ንምፍታሕን ወታደራዊ ስጉምቲ ጠጠው ንምባልን ኩሎም ወገናት ግቡእ ስጉምቲ ክወስዱ ፃውዒትና ነቕርብ ይብል ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን 1.8 ሚሊዮን ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ኣለው። ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዕቑባ ደልዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተው ተወሳኺ 790,000 ድማ ኣለው ይብል መግለፂኦም። ናይ 2019 ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ቅልውላው ብጥንቃቐ ክሕዝዎ ኣለዎም ሰብኣዊነት ናብ ዝኸፍአ ከይኸይድ ብፅንዓት ጠጠው ክብሉ ፀዊዖም ኣለው።መግለፂ ጃን ኤግላንድ ዓለም ጠመትኡ ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴት ስ ምርጫ ኣብ ዝገበረሉ ዞባዊ መራሕቲ፣ ብዓብይኡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ግጭት ከይትኣትው ብንቕሓት ክሰርሑ ኣለዎም ይብል ። "ኩናት ንምትራፍ ክንብል ሓይልና ብምጥንኻር ተሰናዲእና"ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል "ኩናት ንምትራፍ ክንብል ሓይልና ብምጥንኻር ተሰናዲእና" ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም:: እቶም ርእሰ ምምሕዳር "ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ዝሓዘ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅሞ ካብ ዝነበረ ሽርሒ ናብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ይሰጋገር ስለዘሎ ህዝቢ እቲ ክልል ምድላዋቱ ከጠናኽር ይግባእ" ንናይቲ ክልል ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም::: ፀገም'ዛ ሃገር ንምፍታሕ ኩሉ ዘሳተፈ ዘተ ክዳለው ይግባእ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ኣብ ክልል ኦሮሚያ 32 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ‘’ዕጡቓት ደባይ ተዋጋእቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኦነግ ሸኔ’’ ትማሊሰንበት ብዝፈፀሙዎ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ 23ደቂ ተባዕቲኦን 9 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም 32 ንፁሃን ሰባት ከምዝትቐትሉ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ። ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ጉሊሶ ጋዋ ጋንቃ ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ጣቢያ ደባይ ተዋጋእቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንንፁሃን ዜጋታት ምቕታሎም ካብ ዝመስከሩ ወላዲ ኣቡኦም ከምዝተቐተሉዎም ዝገለፁ ኣቶ ውድነህ በላይ ዝተባሃሉ ነባሪ‘’ኣብ ጊሊሶ ወረዳ ጋዋ ጋንቃ 35 ሬስታት ተቖፂሩ ኣሎ።ዝጠፍኡ ኣውን ኣለው።ውሒጅ ዝወሰዶምን ዝቖሰሉን እውን ኣለው።ብህይወት ተሪፎም ፎቖዶ በረኻ ዝተሓብኡ እውን ሎሚ ሓይሊ በፂሑሎም ናብ መዕቖቢን ናብ ከተማን እናወሰዱዎም እዮም’’ ኢሎም። ሓይልታት ምክልኻል ካብቲ ከባቢ ምስወፁ ኣትዮም ናይ ኣምሓራ ዘርኢ ክነጥፍእ ኢና ኢሎም ገንዘብን ስልክን መንጢሎም ገዛ ምቅፃል ጀሚሮም።ኣኼባ ኢሎም ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪቦም ቦምብ ብምድራባት ብመትረይስ ወዲኦምዎ፤ከምዚ ዝገበሩ፣ዘሪኢ ተኮር መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ኦነግ እዮም ኢሎም ብምውሳኽ። እቲ መጥቓዕቲ ክፍፀም ከሎ ሓይልታት መንግስቲ ኣብቲ ቦታ ከምዘይነበሩ እውን ኣቶ ውድነህ ሓቢሮም። ነቲ ከባቢ ይሕሊ ዝነበረ ሓይሊ ምክልኻል እቲ መጥቓዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ሓደ ማዕልቲ ካብ ገዋ ጋንቃ ለቒቑ ከምዝትወፀን ገዲፉዎም ከይወፅእ ከምዝሓተቱን ኣቶ ውድነህ ወሲኾም ሓቢሮም። ኣቶ ኣየለ ንጉስ ዝተብሃሉ ካሊእ ናይ ዓይኒ ምስክር ትማሊድሕሪ ስዓት ብዝተፈፀመ መንነት መስረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ብርክት ዝበለ ህይወት ንፁሃን ሰባት ከምዝጠፍአ ገሊፆም። ኣብቲ ከባቢ ጭፍጨፋ እዩ ተፈፂሙ ዝበሉ ንሶም ‘’ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ሰባት ወሲዶም ብቦምብን መትረየስን እዮም ጨፍጪፎዎ’’ ኢሎም። ኣብ ጋዋ ጋንቃ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ 1977 ዓ\ም ብመንግስቲ ዝሰፈሩ ምዃኖም ዝገለፁ እዞም መሰኻኽር ዓይኒ ምስ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ኣብ ደስታ ይኹን ሓዘን ብሰላም ሓቢሮም ይነብሩ ከምዝነበሩይገልፁ።’’ሕዚ ንብረትና ራሕሪሕና ምስ ወፃእና ዘዕቖቡና እውን ኣብ ጎረቤት ወረዳ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኦሮሞ እዮም’’ ኢሎም ኣቶ ውድነህ። ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍፀም ብዘሎ መንነት መሰረት ዝገበረመጥቓዕቲ ምሕዛኖም ገሊፆም።ንሶም ተሓተቲ ዝበሉዎም ሓይልታት ፀላእቲ ኢትዮጵያ እዮም። እዞም ሓይልታት ኢትዮጵያ ወይ ንሕና ንገዝእ ኢና ወይ ሃገር ኣይትህሉን ክብሉ ተላዒሎም ኣለው፤ነዚ ናይ ጥፍኣት ዓቕሞም ኩሉ ይጥቀሙ ኣለው ኢሎም። መንግስቲ ኩሎም ዓይነታት መማረፂታት ተጠቒሙ ነቲ ኣበር ክነቕሎ እዩ ኢሎም። ነቲ መጥቓዕቲ ብዝምልከት ካብቲ ወረዳ ይኹን ካብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከምኡ እውን ካብ ክልል ኦሮሚያ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን። ናይ ኦሮሚያ ፕሬዝዳንት ሽመልስ ኣብዲሳ ‘'ኦነግ ሸኔ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ጣቢያ ገዋ ጋንቃ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይ ሽብር መጥቓዕቲ ብምፍፃም ንህይወት ሰባት ብምጥፋእ ኣካል ኣጉዲሉ’’ ምባሎም ማሕበራዊ ገፅ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ከምዝኾነኑ ዝገለፁ ኣቶ ሽመልስ ብጭካነ ኣብ ሓደ ቦታ ተቐቲሎም ክብሉ ህይወቶም ንዝስኣኑ ሓዘኖም ገሊፆም።እቲ መግለፂ ክንደይ ሰባት ከምዝትቐተሉ ኣይሓበረን።ኣብ ልዕሊ ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እውን ሓቢሮም። ‘’ናይ ኦነግ ሸኔ ሽፍታ ምስ ህወሓት ብምሽራኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣብታ ሃገርን ሰላምን ምርግጋን ከይህሊ ክሰርሑ ፀኒሖም’'ይብል እቲ መግለፂ። ናይ ጉሊሶ መጥቓዕቲ ኣይፈፀምናን ዝበለ ናይቶም ደባይ ተዋጋእቲ ናይ ዞባ ምዕራብ ኣቐባሊ ቃል ብሊሱማ ጉታ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቓዕቲ ኣይንፍፅምን ክብል ነቲ ኽሲ ነፂጉዎ። ‘’ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ንናይ ህዝቢ ሰላም ዝቃለስ እምበር ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ዜጋታት መጥቓዕቲ ዝፍፀም ሰራዊት ኣይኮነን።ብመንግስቲ ዝቐርብ ጠቐነ እዩ።ገይሩዎ ኣይፈልጥን ኣይገብሮን እውን።መንግስቲ ንስራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ንምፃል ሰባት እናዋፈረ ከምዚ ዝበለ ጭፍጨፋ ይፍፅም እዩ’’ ክብል መሊሱ። መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝፅውኦም ዕጡቓት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዝተፈጥረ ለውጢ ብሰላም ንምቅላስ ናብ ውሽጢ ሃገር ካብዝኣተወ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈሊዩ ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ኣይተመለሰን ብዝብል ዕጥቓዊ ቓልሲ ከምዝቐፀለ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ናኮር መልካ። ብኻሊእ ዜና ህወሓት ኣምሓራ ብምጥቓዕ ናብ ስልጣን መምለሲ ገይሩዎ ኣሎ ክብል ናይ ኣምሓራ ናይ ብልፅግና ፓርቲ ከሲሱ።ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ኦሮሚያ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ብናይ ህውሓት ናይ ውክልና መጥቓዕቲ እዩ ኢሉ ኣሎ። ህወሓት ልዕሊ 40 ዓመታት ንዝዘለቐ ናይ ኣምሓራ ዝፀልእ ዛንታ ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ካሎት ኣሕዋት ህዝብታት ናይ ምንፃል ስርሑ ፍረ የፍሪ ከምዘሎ መርኣያ እዩ ይብል እቲ ፓርቲ። ህዝቢ ኣምሓራ ብዘለዎ ናይ ኢትዮጵያዊነት ፅኑዕ እምነት ሃገረይ ኢሉ ኣብ ኩሉ ከባቢታት እታ ሃገር እንተነበረ እውን ብህወሓትን ዝኣመሰሉን ሓይልታት ንብረቱ ይዝመትን ጉጅልኣዊ መጥቓዕቲ ይፍፀሞን ይብል እቲ መግለፂ።ኦነግ ሸኔ ይኹንካልኦት ሓይልታት ብዘይካ ናይ ህወሓት ፕሮፓጋንዳን ናይ ዕጥቕን ፋይናንስ ድጋፍ ብከምዚ ንፌደራል ይኹን ንክልላዊ መንግስቲ ኣፀጋሚ ኣይምኾነን ነይሩ ይብልወሲኹ። ትማሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጎሊስ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጠን መጥቓዕቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብሓባር የፃሪ ከምዘሎ ብምሕባር ዘጥፍኡ ብሕጋዊ ኣገባብ ክሕተቱ ንናይ ፌደራል መንግስቲ ሓቲቱ ኣሎ። በተመሳሳሊ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣብን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ይፍፀም ዘሎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ገበን ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ መንግስቲ እዩ ኢሉ። ኣብ ምዕራብ ወለጋ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 200 ተወለድቲ ኣምሓራ ብመንነቶም ተፈሊቶም ብጃምላ ብዝተፈፀሞም ዘሪኢ ናይ ምጥፋእ ገበን ሓዘኑ ገሊፁ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው። ኣብ ወለጋ ዝተኸሰተ ቅትለት ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ ምባል ነቲ ጉዳይ ዘቕልል እዩ ዝበሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሓቂ እውን ሞራል ዝሰብር መቕተልቲ እዩ ኢሎም። ናይ ንፁሃን ቕትለት ንመሰጎሚ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ስርሐይ ኢሉ ዝሓዘ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ህወከት ነጋዶ ኢሎም ዝፀውዑዎም ጉጅለታት ሞት ናይ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ ፣ ወላይታ፣ ትግራይ፣ሶማሌን ካልኦት ንፁሃንን ናይ ጥፍኣት ኣጀንድኡ መፈፀሚ ተራ ኣጋጣሚ ካብ ምዃኑ ብዝዘለለ ብሓላፍነት ዘሕትተኒ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን ኢሎም። ኣብ ወለጋ ዝተፈፀመ ቅትለት ኣብይ ኣሕመድ ንሓይልታት ምክልኻል ክወፅእ ድሕሪ ምእዛዙ ኣብ ሒደት ስዓታት ዝትፈፀመ ምዃኑ ዝሕብሮ እዚ ናይ ህወከት ጉጅለን ናይ ኣስመራ መሻርኽቱን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምርፃም ናይ ስልጣን እዋኖም ንሓደ ወርሒ እውን እንተኾነ ንምንዋሕ ይሰርሑከምዘለው መርእያ እዩ ይብል እቲኣቶ ጌታቸው ኣብ ፌስቡኮም ዝዘርግሑዎ ፀሑፍ። እቲ መፍትሒ ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ ኣሕሊፉ ምሃቡ ከይኣኽሎ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ፀላእቲ ብምዃን ይመርሖ እየ ንዝብሎ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዘይዋፅእ ቁማር እናእተወ ዝርከብ ጉጅመ ኣብይ ኣሕመድ ዝግብኦ ምሃብ እዩ፤ናይ ኣብይን ኢሳያስን መንገዲ ጥፍኣት ክግታእ ኣለዎ ክብልእቲ መግለፂየጠቓልል። ኢትዮጵያ: ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 32 ሰባት ምሟቶም ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ኣፍሊጡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ቦታ ለቂቑ ኣብ ዝወጻሉን ሓይልታት'ቲ ክልል ናብቲ ቦታ ኣብ ዝኣትውሉ ዝነበረ ህሞት ብዝተፈጥረ ክፍተት ምዃኑ ፖሊስ ኮሚሽነት'ቲ ክልል ኣፍሊጡ ፖሊስ ኮሚሽነር ክልል ኦሮምያ ኮሚሽነር አረርሳ መርዳሳ በቲ መጥቓዕቲ 23 ደቂ ተባዕትዮ 9 ደቂ ኣንስትዮ ብጠቕላላ 32 ሰባት ምሟቶም ሓቢሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ወለጋ፥ ኣብ ወረዳ ጉሊሶ፥ ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ 'ዮም ዝተባህሉ ብዝፈጸምዎ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ፥ ቁጽሮም ብዕሊ ዘይተፈልጠ ንጹሃን ዜጋታት ከም ዝተቐተሉ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝሃደሙ መሰኻኽር ተዛሪቦም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ በቲ ዝወረደ ሞት ሓዘኑ ድሕሪ ምግላጽ፥ መንግስቲ ንኹሉ ዓይነት ኣማራጽታት ተጠቒሙ፥ ነቲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ክምሕዎ'ዩ ኢሉ። ዶ/ር ኣቢይ ኣተሓሒዙ፥ኣካላት ጸጥታ ኣብቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ተዋፊሮም ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ'ሎ። ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ብወገኑ፥ ብናይ ኦነግ ሸኔን ወያኔን ናይ ጥፍኣትን ሽበራን ተንኮል፡ ኢትዮጵያ ኣይክትፈርስን'ያ ኢሉ። ብኻልእ ወገን፥ "ኩናት ንምትራፍ ክንብል ሓይልና ብምጥንኻር ተሰናዲእና" ክብል ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ:: ዶ/ር ደብረጽየን ንማዕኸናት ዜና'ቲ ኽልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ "ስልጣን መንግስቲ ፌደራል ዝሓዘ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅሞ ካብ ዝነበረ ሽርሒ ናብ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ይሰጋገር ስለዘሎ ፤ህዝቢ እቲ ክልል ምድላዋቱ ከጠናኽር ይግባእ" ኢሉ። ሱዳን ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ንክትወጽእ ምስ ኣመሪካ ንዝተበጽሕ ስምምዕ ግዳያት ግብረሽበራ ተቓዊሞሞ ግዳያትን መቕርብን ናይቲ ኣብ 1998 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ: ነቲ ንሱዳን ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ንኽትወጽእ ዝገብር ምስ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝበዝሑ ካብ ዓማዊሉ ከምዝነጸግዎ ሓደ ጠበቓ ኣፍሊጡ። ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1998 ብናይ ጽዕነት መኪና ተቐናቢሩ ኣብ ኬንያን ታንዛንያን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲታት ኣመሪካ ዝተኻየደ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ቦምብ: ብሓፈሻ 224 ሰብ ክቐትል ከሎ ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ካልኦት ድማ ከምዘቑሰለዩ ዝግለጽ። በዚ ድማ ግዳያትን መቕርብ ግዳያትን ሱዳን ነቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ኣባላት ኣልቃዒዳ ጽላል ሂባ ብዝብል ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ክሲ ከምዝመስረቱ ይፍለጥ። ሚኪኤል ሚለር ዝተባህለ ጠበቓ ግዳያትን መቕርብ ግዳያትን ምስ ሳውዝ ሱዳን ኢን ፎከስ ዝተባህለ መደብ ድምጺ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ: እቲ ሱዳን ምስቲ መጥቃዕቲ ቦምብ ብዝተተሓሓዘ 335 ሚልዮን ዶላር ከፊላ ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ክትወጽእ ዝገብር ስምምዕ ንግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሃብ ገንዘብ ብመንጽር ዜግነቶም ዘጓኒ'ዩ ክብልዩ ነቒፍዎ። ንሱ ኣመሪካውያን ግዳያት ናይቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኽፈልዎ ክፍሊት ካብቶም ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኮይኖም ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ። ሚኪኤል ሚለር ግዳያት ናይቲ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ዓማዊሉ ከምቲ ፈደራል ቤት ፍርዲ ዋሺንግተን ዝበየኖ እቲ ካሕሳ 3 ቢልዮን ዶላር ክወሃቡ ከምዝግብኦምዩ ዝገልጽ። ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ብሰንኪ መጥቓዕቲ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ 11,000 ሰባት ከምዘይተመልሱ ተገሊጹ ኣብ ደቡብ ክልል ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ዝነብሩ ሓረስቶት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ዓሪዶም ዝበሎም ዕጡቓት 'ኦነግ ሼነ' ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊኦም ፈፂሞምዎ ብዝበልዎ መጥቓዕቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ካብ መነባብርኦም ካብ መንጎ ዝተመዛበሉ 29,000 ሰባት እቶም 11,000 ናብ መነባብርኦም ስለዘይተመለሱ ንዝልዓለ ፀገም ከምዝተቓልዑ ተዛሪቦም። ክልላዊ መንግስቲ ደቡብ ናብ መነባብርኦም ዘይተመለሱ ዜጋታት ንምምላስ ብ10 ሚሊዮን ብር 800 ኣባይቲ ምህናፅ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ናይቲ ክልል ወይዘሮ ሰናይት ሰለሞን ኣብ ዝሓፀረ እዋን እግሪ ንምትካል ዘይተኽኣለ ፀረ ሰላም ሓይሊ ዝበሎም ውድባት ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ እናፈፀመ ብምፅንሑ እዩ ኢለን። ኣብ ክልል ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ኣርባዕተ ዞባታትን 17 ወረዳታት ተስፋሕፊሑ ምህላው ተገሊጹ:: ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን እቲ ክልል እቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ሰፊሕ ፃዕሪ ይካይድ ኣሎ እንተኾነ ግና ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ የውርድ'ሎ ኢሉ:: መንግስቲ እቲ ክልል ንፌደራል መንግስቲ ብዛዕባ ኩነታት ኣንበጣ ሓበሬታ ኣይህብን ዘሎ ንዝብል ሚንስትር ሕርሻ ዘቕርቦ ክሲ: ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ በብእዋኑ ብፍላይ ብነፈርቲ ምንጽግ ኬሚካል ብዛዕባ ዘድልዮም ከባቢታት ሓበሬታ ዋለ እተልኣኸ ፌዴራል መንግስቲ ግና ንትግራይ ፈልዩ ኣብ ካሊእ ከባቢ እዩ እቲ ምንጽግ ከሚካል ዘካይድ ብምባል ገሊፁ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ ደሴን ካልኦት ከተማታትን ምስ ዝነብሩ ተጋሩ ምይይጥ ኣካይዱ ሎሚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወሎ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ ዝተሳተፉ ወሃብቲ ሪኢቶ ከምዝገለፁዎ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ወይ ናብ ስልጣን ንምውፃእ ምሁራንን ፖለቲካዊ ውድባትን ብሰንኪ ዘካይዱዎ ቓልሲ ንናይ ህዝቢ ድሕነት ሓደጋ ይኸውን ኣሎ ኢሎም ተሳትፍቲ።ካብቶም ተሳተፍቲ ሓደ ‘’ብኣጉል ናይ ስልጣን ሽሚያ እታ ሃገር ተሕመስ ኣላ፤ኣምሓራይ፣ትግራዋይ እናተበሃለ ንስልጣን ክብሉ ምሁራን እናቋሰሊና እዮም’’ኢሎም። እቶም ወሃብቲ ሪኢቶ ብዝተዛብዐ ኣገባብ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ህወሓት ሓደ ገይሮም ዝሪኡ ከምዘለው ብምግልፃ እዚ እውን ንማሕበራዊ ምግላልን ከምዘቃልዖም ኣረዲኦም።ብኣንፃሩ ህወሓት ዝመረፆም ውሑዳት እምበር ንሕና ከም ህዝቢ ተጠቀምቲ ኣይኮናን ኢሎም። ሰላም ኢና ንደሊ፤ብሕብረት ኢና ምንባር ንደሊ፤ምንፃል ኣይንደልን፤ኢትዮጵያዊያን ኢና ኢሎም እዞም ወሃብቲ ሪኢቶ። ናይ ትግራይ ክልል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ፓርቲ ነብይ ስሑል እቲ ምይይጥ ጠቓሚ ምባሩ ሓቢሩ። ‘’ገለ ረብሕኦም ዝጎደሎም ናይ ህዝቢ ሓቢርካ ምንባር ኣብ ምዝራግ ክዋፈሩ የብሎምን።ተዘይኮይኑ መንግስቲ ሰላምን ናይ ህዝቢ ሃገርን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ስርሑ ክሰርሕን እዩ’’ ኢሉ።ካብቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ምኽሪን ፃውዒትን እውን እዚ እዩ ክብል ወሲኹ ገሊፁዝበለ። ናይ ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ምንስቴር ድኤታ ዶክተር ሙሉ ነጋ ብዝተጋገየ ሓበሬታ ናይ ህዝቢ ሓቢርካ ናይ ምንባር ዝህወኹ ምንቅስቓሳት ምህላዎ ኣይሓብኡን።ነዚ ምውጋድ ዝክኣል ድማ ናይ ሃገር ሓባራዊ ኣተሓሳስብ ክፍጠር ከሎ እዩ ኢሎም። ተመሳሳሊ ምይይጥ ኣብ ድሬዳዋ ዝተካየደ ክኸውን ከሎ እቲ መድረኽ ተወለድቲ ትግራይ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ለውጢ መስርሕን ተግባራዊ ምንቅስቓስን ግንዛበ ክረኽቡ ዘኽኣለ ከምዝኾነ ናይ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምንስቴር ዶክተር ኣብርሃም በላይ ገሊፆም ኣለው ይብል ፀብፃብ መስፍን ኣርጌ ካብ ደሴ። ኣመሪካዊት ገጣሚት ሉዊስ ግላክ ናይዚ ዓመት ተሸላሚ ኖቤል ስነ-ጽሑፍ ኮይና ኣመሪካዊት ገጣሚት ሉዊስ ግላክ፥ ናይዚ ዓመት ተሸላሚ ኖቤል ስነ-ጽሑፍ ኮይና። ነቲ ሽልማት ዝህብ ናይ ሽወደን ኣካዳሚ ነታ ገጣሚት ከድንቓ ኸሎ፥ ንውልቃዊ ህላወ ኣድማሳዊ መልክዕ ዘትሕዝ ፍሉይ ግጥማዊ ድምጺ እትውንን ገጣሚት ክብል ገሊጽዋ። ሊዊስ ግላክ 12 ናይ ግጥሚ መጻሕፍቲ ዘሕተመት ኮይና- ቅድሚ ሎሚ`ውን ከም ሽልማት ፑሊትዘርን ሃገራዊ ሽልማት መጻሕፍትን ዝበሉ ሽልማታት ዝተዓወተት`ያ። ሽልማት ኖበል ስነ-ጽሑፍ ካብ መንጎ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝውሃብ ዘሎ ሽልማታት ኖቤል`ዩ- ንነብስወከፍ 1.1 ሚልየን ዶላር ዘለዎ ምዃኑ`ውን ይግለጽ። ጥርዓን ሰለስተ ምንቅስቓሳትን መልሲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንሕቶ መንነት ምላሽ ዘይሃበ ክልል ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ መንግስቲ የለን ምባሉ ንህዝቢ ራያ፣ ወጀራትን ወልቃይት ፀገደን ኣይምልከትን ክብሉ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኣፍሊጦም።እዞም ውድባት ወሲኾም ኣብቲ ከባቢ መጥቓዕቲ ክፍፀም ስለዝኽእል ሓለዋ ክግበረሎም ሓቲቶም ። ምኽትል ኣቦ ወንበር ራያ ራዩማ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣማረ ጉበንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕጋዊ ኣይኮነን ምባሉ ንዓና ኣይምልከተናን ይብል ። ‘’ህውሓት ዋላ ሓደ ግዜ ንህዝቢ ወጀራትን ራያን ሕጋዊ መንግስቲ ኮይኑ ኣይፈልጥን’’ ዝበለ ኣቶ ኣማረ ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ነቲ ከባቢ ብሓይሊ እዮም ተቖፃፂሮምዎ:ሎሚ እውን ብምዕፋንን ሓይልን እዮም ቀፂሎም።ህዝቢ ወጀራትን ራያን ተስፍኡ ካብ ፌደራል መንግስቲ እምበር ካብ ህወሓት ኣይኮነን ኢሉ። ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ኣባል ምንቅስቓስ ጥሒሳ መናእሰይ ወጀራት እውን ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕጋዊ መንግስቲ የለን ዝብሉ ዘለው ባዕሎም እዮም ዘይሕጋዊን ኢሉ።ሕጋውነት ናይቲ መንግስቲ ንሳቶም ዘራጋግፁዎ ኣይኮነን ንሳቶም ኣይኮኑን ዝውስኑዎ ኢሉ። እዚ ሽሙ ክገለፀሉ ዘይደለየ ውልቀሰብ ሕቶ መንነት ወጀራት ኣይተመለሰን፤ ወጀራት ናይ ባዕሉ ዓብይ ታሪኽ፣ቋንቋ ለዛ፣ዘለዎ ህዝቢ እናሃለወ ኣፍልጦ ከይሃቡዎ ጨፍሊቖምዎ ፀኒሖም ኢሉ ። ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚቴ ኣምላሲ መንነት ኣምሓራ ወልቃይት ፀገዴ ክብረኣብ ስማቸው ብወገኑ ናይ ትግራይ ወሳነ ዝለዓለ ስግኣት ፈጢሩልና ኣሎ ኢሉ።ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ህዝባን ዝለዓለ ጉድኣት ቅድሚ ምብፅሑ መንግስቲ ክከላኽሎ ኣለዎ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ውድብ ባይቶና ኣብ ውፅኢት ምርጫ ክልል ትግራይ ጠሚቱ ክኸስስ እየ ኢሉ ውድብ ባይቶና ኣብ ምርጫ ክልል ትግራይ 18 ተወሳኺ ወንበር ይግባኣኒ እዩ ብምባል ጉዳይ እቲ ምርጫ ናብ ቤትፍርድን ናብ መፃረዪ ጉዳይ ሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ክወስዶ እየ ክብል ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ:: ማእከላይ ኮሚቴ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ባይቶ መንግስቲ ክልል ትግራይ: ድምፂ ዘይረኸቡ ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት: ኣብ ቤት ምኽሪ ንኽኣትዉ ንዘሕለፎ ውሳነ ከምዝቕበል ኣፍሊጡ ኣሎ። እቲ ውድብ ብድምፂ ህዝቢ ንዝረኸባ ሓንቲ መንበርን ብዘይ ድምፂ ንክሳተፍ ዝተወሰነሉ ሸውዓተ መናብርን ከምዝቕበልን ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ:: እቲ ውድብ ነቲ ውሳነ እንተተቐበለ’ውን ቅድመ ኩነት እውን ኣቐሚጡ ኣሎ። ንውድባት ፖለቲካ ካብ ልቢ ዘሳትፍ እንድሕር ዘይኮይኑ ግን፡ ባይቶና ነቲ ፀገም ኣቃሊዑ፡ ካብቲ ቤት ምኽሪ ከምዝወፅእ ገሊፁ ኣሎ:: ነዚ እውን ኣቐዲሙ ናይ ስምምዕ ሰነድ ንኽፍጸም ሓቲቱ እዩ:: ምስዚ ተተሓሒዙ ባይቶና ብዛዕባ እተን ብሓንፈፅ ተመጣጣኒ ስርዓት ምርጫ 38 ወናብር ናብ ቤትምኽሪ ዝኣተዉ ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ህወሓት ኣብ ብብዝሒ ድምፂ መንበር ምርካብ ዝበኸነ ድምፂ ስለዘይብሉ ዝወሰዶ 37 መናብር ትኽክል ኣይኮነን ብምባል ተቓዊሙ:: ብቐጥታ ብህዝቢ ድምፂ ዘይተመረፁ ኣባላት ህወሓት እዮም ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣትዮም እዚ ድማ ፀረ ሕገመንግስቲ እዩ ዝበለ ባይቶና ኣብዚ ጉዳይ ክሲ ክምስርት ምኻኑ ገሊፁ:: ባይቶና ካብቲ 38 መናብር 19 መናብር ይግበአኒ እዩ ኢሉ ከምዝኣምንን ሓንቲ መንበር ጥራሕ ከምዝተውሃቦ ብምግላፅ ‘ ጉዳይ ድማ ናብ ቤትፍርድን ናብ መፃረዪ ጉዳይ ሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ክወስዶ እየ ክብል ኣፍሊጡ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ኣብ ኢትዮጵያ፥ ንድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ናይ 80 መዓልቲ ዝኽሪ ኣብ ከተማ ኣምቦ ተኻይዱ ኣቶ ሽመልስ፥ ኣብቲ ንድምጻዊ ሃጫሉ ክስራሕ ተወጢኑ ዘሎ ሓወልትን ማእከል ባህልን`ውን እምኒ-መሰረት ኣንቢሩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ዝተረኸበ ኣመሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ሃጫሉ ንመንነትን ታሪኽን ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ምልላይ ዓቢይ ተራ ኔሩዎ`ዩ ኢሉ። ኣቶ ሽመልስ፥ ኣብቲ ንድምጻዊ ሃጫሉ ክስራሕ ተወጢኑ ዘሎ ሓወልትን ማእከል ባህልን`ውን እምኒ-መሰረት ኣንቢሩ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ንሃጫሉ ናይ ሞያ ብጾቱን ቤተሰቡን ተረኺቦም ኔሮም\n\nፕረሲደንት ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ዶ/ር ታደሰ ቀንኣ፥ ንካምፓስ ተክኖሎጂ ብሽም`ቲ ድምጻዊ ከምዝሰየም ዘፍለጠ ክኸውን ከሎ፥ ናይ ከተማ ኣምቦ ዋና መንገዲ`ውን ብሽም ሃጫሉ ከም ዝስመ ከንቲባ ሳህሉ ድሪብሳ ኣፍሊጡ። ነቲ ሓውልትን ማእከል ባህልን ዛጊድ ልዕሊ 114 ሚልየን ብር ኣብ ባንኪ ኣታዊ ከምዝኾነ`ውን ተሓቢሩ`ሎ- ከም ጸብጻብ ናኮር መልካ ካብ ከተማ ኣምቦ። `ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ምርጫ ፥ ናይ `ጨረቃ` ምርጫ`ዩ` ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ሕጂ ዘሎ ናይ ህወሓት ሓይሊ ርእሱ ደሪቑ`ዩ ፥ ጅቡኡ እናነጸፈ ምስከደ ድማ ክጠፍእ`ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ዝደረቐ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኸይድን፥ ኣብ ጸልማት ምስ ዘሎ ሓይልን ገልታዕታዕ ኣየድልን ኢሉ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ከም ብብርሃን ወርሒ ተሓጊዝካ ብጸልማት ዝስራሕ ገዛ ዝገለጾ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ከምኩሎም ብለይቲ ተሓቢእካ ዝስርሑ ገካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾኑ ገዛውቲ፥ እቲ ናይ ክልል ትግራይ ምርጫ`ውን ዋጋ ዘይብሉ ምዃኑ ኣብሪሁ። ሕጂ ዘሎ ናይ ህወሓት ሓይሊ ርእሱ ደሪቑ`ዩ ፥ ጅቡኡ እናነጸፈ ምስከደ ድማ ክጠፍእ`ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ: ኣብ ዝደረቐ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኸይድን፥ ኣብ ጸልማት ምስ ዘሎ ሓይልን ገልታዕታዕ ኣየድልን ኢሉ። ኣብቲ ምስ ተለቪዥም ኢትዮጵያ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፥ መንግስቱ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘይወስድ፥ ንህዝቢ ትግራይ ስለዘይጠቅም`ምበር፡ውግእ ኣድላዪ ኔሩ እንተዝኸውን፥ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምዝዛሙ ከምዝክኣል ኣፍሊጡ። መርገጺ ፈደራል መንግስቲ ካብ መጀመርያ`ውን ግልጺ`ዩ ኔሩ- ብባይቶ ወከልትን ብቤት መኽሪ ፈደረሽንን ዝተንጸባረቐን- ብዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣን ዝተገልጸን`ዩ ኔሩ። እዚ ድማ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምርጫ ምክያድ ከምዘይክእል ካብ ዝገለጸሉ ግዜ ጀሚሩ ብግልጺ ዝተራእየ`ዩ። ንውሳነ ቦርድ ምርጫ ዘይተቐበለ- ንናይ ክልቲኡ ባይቶ ፈደራል መንግስቲ ምርጫ ናይ ምንዋሕ ውሳነ`ውን ዝተቓወመ ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ህወሓት ብወገኑ፥ ብተቓውሞኡ ካብ ምድፋእ ሓሊፉ ሎሚ ምርጫ ኣካይዱ`ሎ። ብዛዕባ ዝተፈላለየ እዋናዊ ጉዳያት ምስ ተለቪዥን ኢትዮጵያ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፥ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ፥ዘይ-ሕጋውን፥ ዘይጸንዕን ምዃኑ`ዩ ተዛሪቡ፥ " ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ምርጫ ፥ ናይ ጨረቃ ምርጫ`ዩ፥ ከም ብለይቲ ተሓቢእካ ዝስራሕ ገዛ። ናይ ጨረቃ ቤት፥ወሰን ወሰን ተሓቢእካ ክትሰርሕ ከለኻ፥ ሓደ መዓልቲ ናይ ቀብሌ ኣቦ መንበር ይርእየካ`ሞ፥ ካልእ መዓልቲ ኣይርእየካን ወይ እናረኣየካ ይሓልፍ። እንተኾነ ግን፥ እቶም ናይ `ጨረቃ ቤት` ገዛውቲ ካርታ ስለዘይብሎም ጥራይ ዘይኮነስ፥ ወይ መብራህቲ ብሕጋዊ መንገዲ ሰለዘይኣትወሎም ጥራይ ዘይኮነስ፥ ካብ ሕጊ ወጻኢ ምዃኖም ስለዝፈልጡ ደቂሶም ኣይሓድሩን`ዮም። ጠሸም ዝብል ድምጺ ብዝተሰምዐ ቁጽሪ፥ ዶዘር መጺኡ ከፍርሶም ዝመጸ ይመስሎም። እዚ`ውን ከምቲ ናይ ጨረቃ ቤት ሕጋዊ ዘይኮነ፡ እዚ `ውን ናይ ጨረቃ ምርጫ`ዩ ሕጋዊ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ምክያድ ዝክኣል ብቦርድ ምርጫ ጥራይ ስለዝኾነ " ኣብ ሓደ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝኾነን፡ ዘይጸንዕን ጉዳይ ግዜ ምጥፋእ ኣየድልን`ዩ ኢሉ ወሲኹ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር፥- " ህወሓት መንግስትነቱ ዝውድኣሉ ግዜ፥ኣብ ዝሓለፈ ብዝተወሰነ ውሳነ መሰረት፥ ክሳብ ዝቕጽል ምርጫ ዝጸንሕ ኮይኑ፥ ኣብ ምርጫ ብምሽናፍን ምውዳቕን ዝውሰን`ዩ። ኣብዚ መንጎ`ዚ ዝግበሩ ናይ ዕቁብ፡ ወይ እድር ምትእኽኻባት ወይ ጉባኤታት፡ ንዓና ሕማም ርእሲ ክኾኑ የብሎምን። ሎሚ`ውን ህወሓት `ዩ ዝመርሕ ዘሎ፥ እቲ ናይ `ጨርቃ ቤት` ጸወታ ምስ ሓለፈ`ውን ህወሓት`ዩ ክመርሕ። ኣብቲ ዝቕጽል ሃገራዊ ምርጫ ግን፥ ኣብ ፓርላማ ኮነ ኣብ ዝገበሩ ሃገራዊ ምርጫታት ዘይሳተፍ እንተኾይኑ ተቐባልነት የብሉን፡ ነዚ ኢና ብዙሕ ዋጋ ዘይንህቦ ዘለና " ኣተሓሒዙ፥ ብእኡ ዓይኒ ኢና ክንርእዮ ዘለና`ምበር፥ በቃ ዘክሩኒ ኣብዚ`የ ዘለኹ ኣብ ዝብል ኣውያት ኩሉ፥ ኢድና ኣእቲና ካብ ዋና መንገድና ደው ክንብል የብልናን። ግን ዘይ-ሕጋዊ`ዩ። ምርጫ ኣይኮነን፥ ምርጫ ዝብሃል ቦርድ ምርጫ ክመርሖ ከሎ`ዩ። እዚ ከም ሓደ ናይ እድር ምትእኽኻብ ኢና ንርእዮ። ግዜና ክነጥፍኣሉ የብልናን ኢሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ። ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከም ኣማራጺ ከምዘይወስዶ`ውን ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚስንተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ መንግስቲ ነቲ ምርጫ ጠጠው ንምባል ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዘይጥቀም፥ ንህዝቢ ትግራይ ዘይረብሕ ብምዃኑ ጥራይ ከምዝኾነ`ውን ኣብሪሁ፥ " እቲ ህዝቢ ዝደልዮም ኣገልግሎታት ልምዓት ኣይረኸበን። ንሕና ነቲ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ክነተኩር`ዩ ዝግብኣና`ምበር፥ ጉልበት ኣለና ኢልና፥ ናብ ውግእ ምእታው ነቲ ሕብረተሰብ ዝያዳ ንጎድኣሉን ንዝኸፍአ ድኽነት ዝቃላዓሉን ስለዝኾነ፥ ነዚ ብጥበብን ብልቦናን ምርኣይ ሰልዝሓትት`ዩ። ሓደ ሓደ ሰባት ኣብኡ ብዙሕ ሚልሻ ስለዘሎ ኢሎም ዝሓስቡ ኣለዉ። ንሱ ጌጋ`ዩ። ውግእ ብቑጽሪ ሚልሻ ኣይመልእን`ዩ። ውግእ ዝሽከሞ ብዙሕ ነገር ኣሎ፥ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ዝነበረ ኩናት`ኮ ርኢናዮ ኢና፥ ኣይተዳለናን ተዳሊና ኢና ዝብል ጉዳይ ዘይኮነስ፥ ህዝቢ ኣሎ፥ ሓይሊ ኣሎ፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ኣብ ውሽጢ ዝሓጸረ ግዜ ምውድኡ ይክኣል`ዩ- ግን ንሱ ኣይኮነን ጸገምና፡ ንመን ኢና ንወግእ፥ ንመን ኢና ነጥቅዕ ዝብል ጉዳይ ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ`ዩ። ብወገነይ ንኢትዮጵያ ውግእ የድሊ`ዩ ኢለ ኣይሓስብን። ብፍጹም ውግእ ምስ ዝደልዩ ወገናት ክምደብ ኣይደልን`የ። ኣነ ዝደልዮ ፥ ንትግራይ ሓንቲ ጥይት ዘይኮነስ፥ ሓንቲ ናይ ኮሮና መሸፈኒ ኣፍ ክልእኽ`የ ዝደሊ፥ ሓንቲ ጥይት ዘይኮነስ ሓንቲ ታፕለት ክልኣኽ`የ ዝደሊ፥ ሓደ ጉድጓድ ማይ ክኩዓት`የ ዝደሊ፥ ብልምዓት ክቕየር ኣለዎ ኢለ`የ ዝሓስብ፥ሎሚ ዘሎ ሓይሊ ፈትዩ ጸሊኡ ክጠፍእ`ዩ" ሕጂ ዘሎ ናይ ህወሓት ሓይሊ ርእሱ ደሪቑ`ዩ ፥ ጅቡኡ እናነጸፈ ምስከደ ድማ ክጠፍእ`ዩ ዝበለ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ዝደረቐ ኣተሓሳስባ ምስ ዝኸይድን፥ ኣብ ጸልማት ምስ ዘሎ ሓይልን ገልታዕታዕ ኣየድልን ኢሉ። ​እቲ መራሒ ኢትዮጵያ ኣተሓሒዙ፥ እንታይነት ዝውሰድ ስጉምቲ ዝውሰን፥ ብመንጽር ጠቕሚ ህዝቢ ትግራይ`ዩ ድሕሪ ምባል ፥ ኣብ`ቲ ክልል ዘለና ኣተሓሕዛ እንውስኖ፥ ብመንጽር`ቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝብና`ዩ ኢሉ። ለንቅነ ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደ ቤት-መኽሪ ፈደረሽን፡ ምርጫ ክልል ትግራይ ንሕገ-መንግስቲ`ታ ሃገር ዝጻባእ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ዩ። ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ፥ ብመንግስቲ`ቲ ክልል ዝተወሰኑ ውሳነታት ኮኑ እቲ ምርጫ ንባዕሉ፥ ብሕገ-መንግስቲ ዓንቀጽ 9 (1 ) መሰረት፥ ከምዘይተገብሩ ዝቑጸሩን፡ ዘይጸንዑን ተፈጻምነት ዘይብሎምን ከም ዝኾኑ ወሲኑ`ዩ። ሎሚ እቲ ምርጫ ከም ዝተኻየደ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን፥ ካብ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ካብ ፈጻሚ ኣካል ወይ ካብ ትካላት ኮነ ካብ ኣብያተ መኽርታት ዝወጸ መግለጺ ኮነ ዝተዋህበ ርእይቶ የለን። ድምጺ ኣመሪካ ብስልኪ ዝረኸባ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኣማኻሪት ኮምኒኬሽን ሶልያና ሽመልስ፥ እንህቦ ርእይቶ የብልናን እያ ዝበለት። ካብ ሓለፍቲ ቤት መኽሪ ፈደረሽን ርእይቶ ንምርካብ ዝተገበረ ጻዕሪ`ውን ኣይሰለጠን። ስለዚ ንግዚኡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰምዐ እንኮ ርእይቶ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንተለቪዥን ኢትዮጵያ ዝተዛረቦ ጥራይ`ዩ። ኣብቲ ርእይትኡ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ከም ምርጫ ከምዘይቁጸር`ዩ ገሊጹ፥ እዚ ንዓና ሕማም ርእሲ ክኸውን ኣይግባእን ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚንስተር፡ ግዜ ምብኻን ኣየድልን ዝብል ወሲኹሉ ቀዳማይ ሚስንተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ። መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምስ ነበርቲ ላስ ቨጋስ ኣብ ጽልዋታት ኮቪድ-19 ብሰንኪ ኮቪድ 19 መብዛሕተአን ከተማታት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ እገዳታት ምጽነሐን ዝፍለጥ እዩ ። ነዚ ኣመልኪትና ኣብ ላስቬጋስ ዝነብሩ ክልተ ኣጋይሽ ኣዘራሪብና ኣለና ። ፍፁም ብርሃን ገብረመስቀልን ቴድሮስ ባህታን ይበሃሉ። ኣብከተማ ላስቬጋስ ንልዕሊ 13 ዓመታት ዝነበሩ እዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ውልቀ ዝተዋፈሩ እዮም ። ኮቪድ 19 ከምይ ናብርኦም ከምዝሃሰዮን ድሕሪ ምልዓል እገዳታት ተዓፅዮም ዝነበሩ ስራሕቶም እካ እንተጀምሩዎ እቲ ስራሕ ክምለስ ከምዘይከኣለን ዝርገሐ እቲቫይረስ እውን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን ነጊሮምና ኣለው: No media source currently available ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ንምርጫ ትግራይ ከመዝይተፈፀመ ይቑፀር ክብል ከሎ፣ ወሃቢት ቃል መንግስቲ ትግራይ ድማ 'ንመረፃ ትግራይ ኣፍልጦ ዝህብ፣ ህዝቢ ትግራይ እዩ' ኢላ ኣብዚ እዋን ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዝወፁ ሕግታት መሰረት ይካየዱ ዘለው ናይ ምርጫ ምንቅስቓሳት ከምዘይተፈፀሙ ዝውሰዱ እዮም ክብል ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ወሲኑ።ኮሚሽን ምርጫ ምጥያሹ እውን ንሕገ መንግስቲ ዝጥሕስ እዩ ኢሉ ኣሎ። ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይናይ ምርጫ ኮሚሽን ምጥያሹ ምስ ሕገ መንግስቲ ዝፃባእ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ብዕፁው ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ።ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈፀምቲ ኣካላትን ምርጫ ኮሚሽንን መረፃ ብዝምልከት ዘውፅኦ ኣዋጅ ምርጫን ዘሕለፉዎም ውሳነታትን ይፍፅምዎ ዘለው ተግባራትን ምስቲ ሕገ መንግስቲ ዝፃብኡ ስለዝኾኑ ብመሰረት ዓንቀፅ 9 ቁፅሪ 1 ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይተፈፀሙ ዝቑፀሩ፣ዘይፀንዑ ተፈፃሚነት ዘይብሎም እዮም ብምባል ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ብምሉእ ድምፂ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ ይብል በቲ ቤት ምኽሪ ዝወፀ ናይ ፅሑፍ መግለፂ። እቲ መግፂ ከምዝበሎ ናይ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ናይ ራያ ራዩማ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ናይ ወልቃይት ፀገደ መምለሲ ኮሚቴ ነቲ ቤት ምኽሪ ዘቅረቡዎም ቅሬታታት ብምጥቓስ ክልል ትግራይ የካይዶ ምስ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምርጫ ተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት የውርዶ ዘሎ መግሃስርቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብሕገ መንግስቲ ዝተረጋገፁ መሳላትን ዘይምኽባር ተቐባልነት ከምዘይብሉ እወን ገሊፁ። ብዛዕባ እዚ መልሲ ዝ ሃባ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ብወገነን "መረፃ ትግራይ ኣፍልጦ ዝወሃቦ ብህዝቢ ትግራይ እምበር ብዝኾነ ኣካል ኣይኮነን" ብምባል ምላሽ ሂበን:: ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እቲ ቤት ምኽሪ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ዝመረረ ፅላአት ዘርኣየሉ እዩ እውን ኢለን:: ኤርትራዊያን መበል 59 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዘኪሮም ውዒሎም ኤርትራዊያን መበል 59 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ዘኪሮም ውዒሎም። ብምክንያት እዚ ጽንብል ድማ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ብስም ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ እ ንዃዕ ኣብጸሓኹም መልእኽቲ ሰዲዱ። ነዚ ዕለት ብዝምልከት ገዛ ፓርቲ'ታ ሃገር ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ'ውን መግለጺ ኣውጺኡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ቤት-ፍርዲ ቢሾፍቱ ነባር ፖለቲከኛ ኢትዮጵያ ልደቱ ኣያሌው ክፍታሕ ኣዚዙ ነባር ፖለቲከኛ ኢትዮጵያ ልደቱ ኣያሌው ክፍታሕ ኣብ ብሸፍቱ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ኣዚዙ። መራሒ ኢዴፓ ዝነበረ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው፥ ድሕሪ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፥ ግጭት ኣብ ምልዕዓል ኢድ ኔሩካ ብዝብል ፖሊስ ኣሲርዋ ምጽንሑ ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ደቡብ፥ ዞባ ኮንሶን ፍሉይ ወረዳ ኣሌን ከምኡ`ውን ኣብ ዞባ ጉረጌ ወረዳታት መስቃን ማረቆን፡ ግጭት ከምዝፍጠር ጌሮም፥ ብዙሓት ከምዝቕተሉን ንብረቶም ከምዝዓኑን ጌሮም ዝተባህሉ 34 ኣባላት መሪሕነትን ሰብ-ሞያን ከም ዝኣሰረ ቤት-ጽሕፈት ፓርቲ ብልጽግና ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ። ኣብ ውሽጢ ብልጽግና ፓርቲ ኮይኖም፥ ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ሓድነትን ጸገም ዝተራእዮም፥ ከምኡ`ውን ካብ ውሽጢ ኮይኖም ንትርምስ ምኽንያት ዝኾኑ ኣባላት ኣመራርሓ ስጉምቲ ከምዝተወስደ ሓላፊ`ቲ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ደቡብ ኣቶ ጥላሁን ከበደ ሓቢሩ`ሎ። ኣብቲ ከባቢ ኩነታት ጸጥታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመሓየሸ ከምዝመጸ`ውን ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ። ኣብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ዕስለ ኣምበጣ ናብ 10 ወረዳታት ምስፍሕፍሑ ተገሊጹ No media source currently available ኣስመራ:ዕዳጋ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣብ ዝሓሽ ኩነታት ከምዘሎ ነጋዶን ተጠቀምትን ገሊጾም ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣብ ዝሓሽ ኩነታት ከምዘሎ ነጋዶን ተጠቀምትን ገሊጾም ። ምስ ተርእዮ ተላባዒ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ካልኦት ሃለኽቲ ነገራት ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋታትን ሕጽረታትን ኣብ ዕዳጋ ኣሕምልትን ፍረታትን ከምዘይተራእየ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶኦም ዝሃቡ ነጋዶን ተጠቀምትን ከተማ ኣስመራተዛሪቦም።ኣብ ዕዳጋታት እኹል ቀረብ ኣሕምልትን ፍረታትን ምህላዉ ዝገለጹ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ እቲ መሽጢ ዋጋታት ብተዛማዲ ርትዓዊ ከምዝኾነ ወሲኾም ተዛሪቦም ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ዕጡቓት ምልሻን ክልል ትግራይ ወታደራዊ ምርኢት ኣካይዶም ሓላፊ ፀጥታን ምምሕዳርን ክልል ትግራይ ኣይተ ተኪኡ መተኩ: ትግራይ ብሓይሊ ንምብርካኽ ዝግበር ምንቅስቓስ ከምዘይዕወት ክፍለጥ ይግባእ ኢሎም:: No media source currently available ርእይቶ ነበርቲ መቐለ ንቀዳማይ መድረኽ ምምላእ ግድብ ህዳሴ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ቀዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ መንግስቲ'ታ ሃገር ኣፍሊጡ እዩ: ኣብዚ ጉዳይ ንገለ ነበርቲ ከተማ መቐለ ርእይቶ ሓቲትና ኣለና:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት 14,547 ምምዝጋቡ ተገሊጹ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 7009 ሰባት መርመራ ኮቪድ 19 ተካይዱ እቶም 579 እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣብ’ታ ሃገር ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተታሓዙ ሰባት 14,547 ከምዝበጽሐን 7,931 ክንክን ይረኽቡ ከምዘለውን እቲ ዜና ሓቢሩ። , ሚኒስትር ጥዕና66 ኣብ ጽዑቅ ክንክን 170 ድማ ካብ’ቲ ቫይረስ ተገላጊሎም ይብል ። ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ልያ ታደሰብሓፈሽኡ 6,385 ሰባት ክሳብ ሎሚ ካብ’ቲ ቫይረስ ድሒኖም ኣለው ኢለን ። ንሰን ወሲኸን ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 5 ሰባት ብሰንኪ ብኮቪድ 19 ምሟቶም ኣው’ውን ኢለን። ክሳብ ሎሚ 228 ሰባት ብኮቪድ 19 ምሟቶም ሓቢረን ኣለዋ። መራሒ ኦነግ ዳውድ ኢብሳ ሓይልታት ጸጥታ ናይ ገዛ እሱር ጌይሮሙኒ ክብሉ ይኸሱ ናይ ነዊሕ መራሒ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)ዳውድ ኢብሳ ‘ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ንዝሓለፉ ዓሰርተ መዓልታት፣ ናይ ገዛ እሱር ገይሮምኒ’ ከምዝበሉ ተገሊጹ። አቶ ዳውድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ‘ካብ 17 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ገዛ ተዓጊተ ኣለኹ። ካብ ገዛ ክወጽእ ኣይካኣልኩን: ኣጋይሽ ክቅበል’ውን ኣይፈቅዱለይን፣ ካብኡ ዝሰገረ ሞባይል ቴለፎነይ መንጢሎምኒ’ ኢሎም ኣለው። ሓይልታት መንግስቲ ‘እቲ ስጉምቲ ዝወሰዱ ንድሕነትካ’ዩ’ ከምዝበልዎም’ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ጠቂሶም። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ምክትል ኣቦ መንበር ኦነግ ኣራርሳ ብቂላ፣ ኣቦ መንበር ዘይተረኸበሉ ዘይሕጋዊ ኣኼባታት የካይድ ከምዘሎ ገለ ኣባላት ኦነግ ይገልጹ። ኣቶ በቂላ እቲ ኣኼባ ይካየድ ከምዘሎ ኣሚኖም፣ እንተኾነ ንዳውድ ኢብሳ ንምትካእ ዘይኮነስ ‘ብዙሓት መራሕቲ ኦነግ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ስለዝዋዓሉ’ዩ’ ከምዝበለ እቲ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ። ዓረና ትግራይ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ምርጫ ከምዘይሳተፍ ገሊፁ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉኣላውነትን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ምርጫ “ዘይሕገ-መንግስታዊ” እዩ ብምባል ከምዘይሳተፍ ገሊፁ:: እቲ ተቓዋሚ ውድብ ነዚ ዝበለ፡ ብቀዳም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኡ እዩ:: ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 12 ዓመታት ተቓዋሚ ውድብ ኮይኑ ዝፀንሐ ዓረና ትግራይ ንዴሞክራሲን ሉኣላውነትን ብቅድሚ ትማሊ ቐዳም ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2002/2007 ኣብ ዝተኻየዱ ሃገራውን ክልላውን ምርጫ ብምስታፍ ንሰላማዊ ቃልሲ ግድኡ ከበርክት ፀኒሑ’ዩ ኢሉ:: ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ውድብ ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣብ ክልል ትግራይ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ምርጫ "ዘይሕገ-መንግስታዊ” ብምባል ኣብቲ ምርጫ ውድቦም ከምዘይሳተፍ ሓቢሮም:: ካልእ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምርጫ ክካየድ የብሉን ኢሉ ዓረና ከም ምኽንያት የቕርቦ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ: ኣብዚ ሐዚ እዋን ቅድሚ ኹሉ ጥዕና ሕብረተሰብ ጠመተ ክግበረሉ ይግባእ ኢሉ:: እቲ ምርጫ ኣብ ሓደ ወርሒ ብዝግበር ምንቅስቓስ ዝካየድ ብምዃኑ፡ ኣብ ፍትሓውነቱ ተቐባልነት ኣይህልዎ ኢሉ ከምዝኣምን እውን ኣፍሊጡ:: ዓረና ንፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ነቒፉ’ሎ: ፌደራል መንግስቲ ምርጫ ንምንዋሕ ዝኸደሉ ኣግባብ ልክዕ ኣይኮነን ዝበለ ዓረና ትግራይ: ኣብ ከይዲ እቲ ምንዋሕ ምርጫን ብቐፃሊ ኮረና ቫይረስ ስግኣት ኣይኮነን ኢሉ ዝውስን ኣካል ገለልተኛ ኣይኮነን ኢሉ:: መንግስቲ ፌደራል: ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ክቕጽሉን ስልጣን ክናዋሕ ከምዝተወሰነን ዝዝከር እዩ። እዚ ውሳነ “ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም ብምንዳይ” ዝተፈጸመ ምዃኑ እዩ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ:: ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ገዛኢ ውድብ እቲ ክልልን ካልኦት ሰለስተ ውድባት ምርጫ ክካየድ ኣለዎ እንተዘይኮይኑ ድሕሪ መስከረም ሰላሳ ሕጋዊ መንግስቲ ኣይህሉን ብምባል ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገጺ የንፀባርቑ ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ክልተ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት አካይዶም ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብምትእኽኻብ ክልተ ሰላማዊ ሰልፊታት አካይዶም። ፈላማይ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዘጋጠመ ህውከት ስዒቡ ዝጠፍአ ህይወት ሰብን ንብረትን ብምኵናን ምምሕዳር ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ ሕጊ ንምኽባር ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲታት ንምድጋፍ ዝዓለመ'ዩ ኔሩ። እቲ ካልኣይ ሰልፊ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ግዝ ታትን ኣሜሪካ ዝተአኻከቡ ምዃኖም ዝገልጹ መንእሰያት ኮይኖም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ምስ ኣቶ ጀውሃር መሓመድ ብምርኻቦም ጥራይ ዝተአሰሩ ሰለስተ ዜጋታት ኣሜሪካ ብቕልጡፍ ክፍትሑ ከምኡ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብሳልሳይ አካል ክጻረይ ዝጠልቡ ምዃኖም ይገልጹ። የመን: ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ስደተኛታት ብዘይፍቓዶም ናብ መዳጎኒ ማእከል ይእከቡ ምህላዎም ተገሊጹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ኣብ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት ተገፊፎም ብዘይ ፍቓዶም ናብ መዳጎኒ ቦታታት ይወስዱ ምህላዎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ስደተኛታት ንዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ከጋድዱ ይኽእሉ'ዮም ብዝብል ይግፈፉ ምህላዎም'ውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ'ሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ስዑዲ ንምብጻሕ የመን ይኣትው እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኹናትን ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ዝካየድ እገዳታት ስደተኛታት ናብ ዝመደብዎ ካብ ምብጻሕ ከልኪልዎም ይርከብ። ኣስታት 14,500 ስደተኛታት ካብ ከተማታት ዓደንን ማሪብን ተገፊፎም ኣብ መጽንሒ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ተአኪቦም ምህላዎም'ቲ ትካል ስደተኛታት ይሕብር። ብስዑዲ ዝምራሕ ሕብረት ዝድገፍ መንግስቲ'ታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ 1,504 ድማ ዝሞቱ ድማ 424 መዝጊቡ'ሎ። እንተኾነ ግን ንዝበዝሓ ዓበይቲ ከተማታት ዝቆጻጸሩ ተቓወምቲ ሑቲ ክሳብ ሕጂ ጸብጻብ'ቲ ቫይረስ ኣይሓቡን። ሕቡራት ሃገራት ንዓመታት ኣብ ኹናት ኣብ ዝጸንሓት ትሕቲ ቅርጺ ኣገልግሎት ሕክምና ኾነ መርመራ'ቲ ቫይረስ ትሑት ኣብ ዝኾነት ሃገር ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ኮነ ዝተታሕዙ ካብቲ ዝግለጽ ንላዕሊ ከምዝኾነ ይሕብር። ፖለቲካዊን ሃይማኖታውን መራሕቲ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ንዝተፈፀመ ዕንወት ኮኒኖም ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ምዕራብ ኣርሲን ከተማ ሻሸመኔን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረት ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዋና ኣመሓዳሪ ክልል ሲዳማ፣ምኽትል ከንቲባ ሃዋሳን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲ ክልል ደቡብን ኮኒኖም ። ናይ ሲዳማ ክልል ርእሰ ኣማሓዳሪ ኣቶ ደሳለ ደሞ፣ናይ ሃዋሳ ከተማ ምኽትል ከንቲባ ኣቶ ጥራቱ በየነን ዓበይቲ ዓዲ ሲዳማን ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ተረኺቦም ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኮኒኖም።ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሻሸመኔ ዝወረደ ጉድኣትን ሓዘንን ናትና እዩ ዝበሉ እዞም ኣካላት ነታ ከተማ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፉ ተዛሪቦም። ኣብ ምዕራብ ኣሩሲ ከተማ ሻሸመኔ ዝተፈፀመ ዘሕፍር ተግባር ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ናይ ዝንቀሳቐሱ ተግባራት ውዲት እዩ ኢሎም ናይ ሲዳማ ክልል ፕሬዝዳንት ኣቶ ደሳለ ደሞ።መንግስቲ ንቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ስራሕ ምጅማሩ ምስ ገለፁ ንሻሸመኔ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ ከምዝድግፍ ገሊፆም። ምኽትል ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ኣቶ ጥራቱ በየነ ኣብ ልዕሊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሉ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እዩ ኢሎም።ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ይሰርሕዎ ዘለው ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ንምስንኻል ዝተሰርሐ ግብረ እከይን ነንሕድ ሕድና ንምንኻስ ዝተዋደደ ፃዕሪን ምዃኑ ኩሉ ክግንዘቦ ኣለዎ ኢሎም ኣቶ ጥራቱ። ተወከልቲ ኩሎም ሃይማኖታት ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ተረኺቦም ነቲ ተግባር ዘውገዙ ክኾኑ ከለው መናእሰይ ከምዚ ዝበለ ዕንውት ካብ ምውራድ ክቑጠቡ ኣለዎም ኢሎም።ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም ብዝተፈጥረ ቁፅሪ ካሊእ ዝኸፍአ ጉድኣት እናውረድና ናይ ንፁሃን ደም ምፍሳስ ፍፁም ኣየድልን ኢሎም እዞም መራሕቲ ሃይማኖት። ብኻሊእ ወገን ናይ ብልፅግና ፓርቲ ኣባል ኣመራርሓ ኦሮሚያ ኣቶ ጌቱ ወያሳ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ፀላእቲ ብዝበሉዎም ዝተፈፀመ ሃገር ናይ ምፍራስ ዕላማ ዘለዎ ክፉእ ተግባር እዩ ኢሎም። መንግስቲ ንገበነኛታት ናብ ሕጊ ኣቕሪቡ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ዝጀመሮ ስራሕ ከምዝቕፀል ተዛሪቦም ኣለው ኣቶ ጌቱ። ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣባ ገዳ ቡልቻ ጉታ ኣብታ ከተማ ዝወረደ ጉድኣት ናትና ጉድኣት እዩ እቲ ሓዘን እውን ናትና እዩ ኢልኩም መፂኢኹም ስለዝሓተትኩምና ብኣጋርነትኩም ሕጉሳት ኢና ኢሎም። ኣብ ከተማ ሻሸመኔ መብዛሕቲኦም ንግድታት ተዓፂዮም ዘለው እንተኾኑ እውን ናብ ስሩዕ ይምለስ ዘሎ ይመስል።ኣንፃራዊ ሰላም እውን ሰፊኑ ኣሎ።ካብ ናይ ሻሸመኔ መጥቓዕቲ ኣሚሊጦም ዝሃደሙ ነበርቲ ናይታ ከተማ ኣብ ሃዋሳ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ዘመድ ኣዝማድ ተፀጊዖም ተዓዚበ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ መሳርሕትና ዮናታን ዘብዲዮስ። ብኻሊእ ዜና ናይ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝኽሪ ኣብ ኣዲስ ሸራተን ሆቴል ዝሓለፈ ቐዳም ተኻይዱ።ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ብሓባር ኣብዘዳልውዎ ስነስርዓት ዝኽሪ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ፈፂሞም ኣለው። ገላን ኮንዶሚኒየም ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ከባቢ ህይወቱ ዝሓለፈሉ ስለዝኾነ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብሽሙ ተፀዊዑ ኣሎ።ኣብ ከባቢ ኣራት ኪሎ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ፓርክ እውን ሃጫሉ ፓርክ ተባሂሉ ኣሎ።ኣብዚ ፓርክ እዚ ሓውልቲ ንምስራሕ ብኣቶ ታከለ ኡማን ሽመልስ ኣብዲሳን እምነ ኩርናዕ ተነቢሩሉ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ቀዳም ምሸት ስነስርዓት ምብራህ ሽምዓ ተኻይዱ ኣሎ።ምኽትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ታከለ ኡማ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሃጫሉ ናይ ጅግንነት ምልክትን ህይወቱ ንህዝቢ ዝነበረን እዩ ኢሎም። ‘’ብዙሕ ሰብ ክንሓዝን ድልየት ኣለዎ።ንሕና ግን ኣይንሓዝንን፤ክሳብ ሎሚ ዝነባዕናዮ ይኣኽልና’’ ኢሎም ኣቶ ታከለ። ሃገርና ኢትዮጵያ ብብዙሕ መስዋእቲ ኣብዚ በፂሓ ኣላ፤ንኹልና እትኣክልን ትኸውንን ሃገር ምህናፅና ክቕፅል እዩ ኢሎም ኣቶ ታከለ ብምውሳኽ። ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ሙዚቀኛ ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ነፃነት ተቓላሳይ እዩ ዝበሉ ድማ ናይ ኦሮሚያ ምኽትል ርእሰ ኣማሓዳሪ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ እዮም። ‘’ሃጫሉ ጅግና፣ብሩህ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ እዩ።ጫፍ ዝነበረ ፖለቲካ ናብ ማእኸል ክመፅእ ዝገበረ ነዊሕ ዓመት ዝወሰደ ቓልሲ ናብ መዕለቢኡ ክበፅሕ ዝገበረ ጅግና እዩ’’ ክብሉ ገሊፆምዎ። ወላዲኡ ንሃጫሉ ኣቶ ሁንዴሳ ጎምሳ ሃጫሉ ናተይ ውላድ ጥራሕ ኣይኮነን ወዲ ህዝቢ እዩ ኩላትና ኢና ቐቢፅናዮ ቅልጡፍ ፍትሒ ኣምፅእሉ ክብሉ ሓቲቶም። ኣብቲ ስነስርዓት ብዓልቲ ቤቱ፣ናይ ሙያ መሓዙቱን ዝተፈላለዩ ክፍላት ማሕበረሰብ ተሳቲፎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ኣብ ኤርትራ ተዓጽየን ዝነበራ ትካላት ንግዲን ከፊላዊ ኣገልግሎት ትምህርቲን ምጅማሩ ተገሊጹ ብምኽንያት ቫይረስኮሮና ተዓጽየን ዝነበራ ትካላት ንግዲ ብምኽፋተን ደስኪሉ ዝነበር ንጥፈታት ንግድን ምንቅስቓስ ሰባትን ብተዛማዲ ከምእተመሓየሸ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶኦም ዝሃቡ ወነንትን ሰራሕተኛታትን ዝተፈላለዩ ትካላት ተዛሪቦም። ኣገልግሎት መጓዓዝያ ብዘይምጅማሩ ዕዳጋ ዝሑል ከምዘሎን ለውጢ ዋጋታት’ውን ከምዝተራእየ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም ኣለዉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተላዕለ ተቓውሞ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዜጋታት መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ኮሚሽን ፖሊስ'ቲ ክልል ኣፍሊጡ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት ፍሉጥ ደራፋይ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝሰዓበ ጎንጺ፥ ኣብ ኦሮሚያ ካብ ዘለዋ 320 ወረዳታት ኣብ 40 ወረዳታት ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ውልቀ-ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ጀነራል ኣራርሳ መርዶሳ ሓቢሩ። ዛጊት 11 ኣባላት ጸጥታ ዝርከብዎም 155 ሰባት ከምዝሞቱ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ገሊኡ ከባብታት ሓደ ብሄር ዒላማ ዝኾነሉ ተርእዮ እንተነበረ`ኳ ኣብ ካልእ ከባብታት ድማ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት ዒላማ ዝኾንሉ ከም ዝነበረ`ውን ጠቒሱ`ሎ፥ ​ብመሰረት ሓበሬታ ነበርትን ሰበ-ስልጣንን ድሕሪ ሞት ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተላዕለ ተቓውሞ ቀልጢፉ`ዩ ናብ መጥቃዕቲ ውልቀሰባት ተቐይሩ። ንጹሃን ዜጋታት ተጠቒዖምን፥ ተቐቲሎምን፥ ከምኡ`ውን ንብረቶም ዓንዩ። ኮሚሽነር ፖሊስ ኦሮሚያ ጀነራል ኣራርሳ መርዶሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ከም ዝሓበሮ፥ እቲ መጥቃዕቲ ፥ ኣብቲ ክልል ካብ ዘለዋ 320 ወረዳታት ኣብ 40 ተፈጺሙ`ሎ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ 155 ሰባት ከም ዝሞቱ` ካብኣቶም እቶም 11 ኣባላት ጸጥታ ምዃኖም`ውን ኣረጋጊጹ`ሎ። እቲ መጥቃዕቲ ብኣባትር፥ ብእምኒ ብጎዘሞን ብቦምባታትን ከምዝተፈጸመ ዝገለጸ ኮሚሽነር ፖሊስ፥ ኣብ ገለ ከባብታት ዝተወሰኑ ኣባላት ብሄረሰብ ዒላማ ከም ዝኾኑ፥ ኣብ ካልኦት ድማ ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ዒላማ ከም ዝኾኑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ድማ፥ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ድማ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባት`ዮም ዒላማ ኮይኖም ኔሮም ኢሉ። ብሓፈሽኡ ግን ኢሉ እቲ ፖሊስ ኮሚሽነር ፥ ንጹሃን ሓረስቶትን ተራ ዜጋታትን`ዮም ዒላም ኮይኖምን ተቐቲሎምን። በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተዉን ነቲ ገበን ንምጽራይ መርመራታት ይቕጽል ከምዘሎን`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ብኻልእ ወገን፥ መራሒ ተቓዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ መራራ ጉዲና፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ምኽትል ኣቦ-መንበሩ በቀለ ገርባ፥ ጸሓፊኡ ደጀኔ ጣፋን ኣባል ፓርቶም ጃዋር መሃመድን፥ ምስ ቤተሰቦም ከምዝራኸቡ ሓቢሩ እንተኾነ ብጠበቓታቶም ክብጽሑ ከምዘይተፈቐደሎም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጹ። ዶ/ር መራራ ኣብቲ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፥ መንግስቲ ነዛ ሃገር ንምርግጋእ ሃገራዊ ዕርቂ ከምጽእ ኣለዎ ክብል ሓቲቱ`ሎ። ከምኡ`ውን ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣቦ-መንበር ባልዳራስ ዝተባህለ ፓርቲ ኣቶ እስክንድር ነጋን ካልኦት ኣባላቶምን፡ ከምኡ`ውን ኣቦ-መንበር ሃገር-ለኸ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያን ዝተባህለ ፓርቲ ኣቶ ይልቃል ጌትነት፥ ጠበቓኦም ከዘራርቦም ከምዘይክኣለ፥ ኣባላት መሪሕነት`ቲ ፓርቲን ጠበቓታቶምን ኣፍሊጦም ኣለዉ። ንከዘራርብዎም`ውን ሓቲቶም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ኣብ ዝርከባ ገለ ከተማታት ዝርከቡ ኣባላት ማሕበረሰብ ኦሮሞ፥ ቀተልቲ ኣርቲስት ሃጫሉ ተጻርዮም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ፥ ምምሕዳር ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጽውዑ ሰልፍታት ይካየዱ`ለዉ። ካብ መንጎ`ቶም ኣተሓባበርቲ ሰልፍታት ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጹ ከለዉ፥ ህይወት ደቂሰባት ዝቐዝፉ ተግባራት ብውጋዝ፥ ብቪድዮ ዝመሓላለፉ ጽልኢ ዝሓዘሉ መልእኽትታት ናይቶም ውልቀሰባት`ምበር ንህዝቢ ኦሮሞ ዝውክሉ ኣይኮኑን ኢሎም ኣለዉ። ብኻልእ ዝተኣሳሰር ዜና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዳኒኤል በቀለ፡ ተኣሲሮም ዘለዉ እስክንድር ነጋን ሪፖርተር ኦሮሞ መዲያ ኔትወርክ ሸመስዲን ጣሃን ኣብ ዝተታሕዘሉ እዋን ማህረምቲ ከምዝተፈጸሞም ፖሊስ ኣረጋጊጹልና ኣሎ ኢሉ። እንተኾነ እቲ ጉድኣት ፈኩስ ምዃኑ ፖሊስ ከምዝሓበሮ ገሊጹ`ሎ። ኮሚሽነር ዳኒኤል ንንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ ኣብ`ዚ ቀረባ ምስ ዝተኣስሩ እስክንድር ነጋ፥ በቀለ ገርባ፥ ከምኡ`ውን ምስ ጃዋር መሓመድ ከምዝተዘራረበ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ክልል ኦሮሚያን ከተማ ኣዲስ ኣበባን 166 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስቲ ኣፍሊጡ ኣብ ኢትዮጵያ ሞት ህቡብ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተላዓለ ግጭት ኣብ ክልል ኦሮሚያ 156 ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ 10 ሰባት ብድምር 166 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኮሚሽነራት ፖሊስ ክልል ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ገሊፆም። ብኻልእ ወገን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓደ ብሄር ዝተባህሉ ዜጋታት ዝዓለመ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ: ቁፅሮም ዛጊት ዘይተፈልጠ ኢትዮጵያዊያን ብኣሰቃቒ ኩነታት ከምዝተቐትሉ ካብቲ መጥቓዕቲ ዝተረፉ ነበርቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም። ብዝተኣሳሰረ ዜና ኣብዚ ተግባር ተሳቲፎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣስታት 2,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መንግስቲ ኣፍሊጡ ኣሎ። 22 ሰነ 2012 ዓ/ም ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገላን ኮንደሚኒየም ብዘይተፈልጡ ሰባት ዝተቐተለ ህቡብ ድምፃዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ሞት ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ኣዚዩ ኣሰቃቒ ብዝኾነ ኣገባብ ዝተፈፀመ ቅትለት፣ምጉዳል ኣካልን ወራርን ብዝለዓለ ደረጃ ንብረት ምቅፃል ምፍፃሙ ጉድኣት ዝወረዶምን መሳኻኽርን ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም ኣለው። ስድርኦም ኣብ ቅድሚኦም ከምዝተቐተሉዎም ዝዛረቡ፣ንብረቶም ዝተቓፀሎምን ብዘይመፅለሊ ምትራፎም ዝገልፁን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ቃሎም ሂቦም ኣለው። ኣቶ ደረጀ ኣቦ ኣብ ዞባ ኣርሲ ካብ ከተማ ኣዳማ 26 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ደራ ነባራይ እዮም።ንሶምን ድምፂ ኣሜሪካ ዘረራርቦም ካልኦትን ከምዝብልዎ ምሸት 22 ሰነ 2012 ዓ\ም ሃጫሉ ሁንዴሳ ምማቱ ምስተሰምዐ ካብ ለይቲ ጀሚሩ ካብ በትሪ ክሳብ ብረት ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት መጥቓዕቲ ከምዝፈፀሙን መርሻ ደረጀ ዝተባህለ ወዲ 28 ዓመት ውላዶም ከምዝተቐትሎምን ብሓዘን ይገልፁ። ‘’ኣደ ዘይብሉ ውላደይ ኣዕብየ ምህንድስና ትምህርቲ ኣምሂረ ኣብ 2010 ዓ\ም ተመሪቑ ስራሕ ሒዙ 21 ሰነ 2012 ዓ\ም ክሓተኒ መፂኡ ንጉሆ ስዓት ትሽዓተ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት መፂኦም ንገዛይ ወሪሮም፣ኣቃፂሎም ብድሕሪት ገዛ ክሃድም ዘውፃእኹዎ ውላደይ ካብ ናይ ሰብ ገዛ ጎሲሶም ኣውፂኦም ቀቲሎምዎ’’ኢሎም። ንሶም እውን ፖሊስ በፂሖም ናብ ቤተ ክርስቲያን ከምዘእተውዎም ገሊፆም ኣለው። ‘’ኣሽንዃይዶ ኣነ ወለደይን ኣቦ ሓጎይን ተወሊዶም ዝዓበዩ ኣብዚ ኣብ ክልል ኦሮሚያ እዮም’’ ኢሎም ።ኣቶ ደረጀ ሸሞንተ ኣባላት ስድራ ከምዝመርሑ ብምግላጽ ብዛዕባ ፖለቲካ ዝፈልጦ የብለይን ሓረስታይ እየ ክብሉ ብምረት ገሊፆም። ካልእ ኣባታ ኣቶ መርእድ ኣናጋው ዝተባህሉ ነባሪ ከተማ ደራ ኣቡኡ ኣብ ቅድሚኡ ከምዝተቐተሉዎ ኣብ ልዕሊኡ እውን ጉድኣት ከምዝወረደ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕክምና ዝርከብን ናይ ዓስራይ ክፍሊ ተማሃራይ እዚ መጥቓዕቲ ዝወረደና ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኣይፈልጥን ክብል ገሊፁ።ኣብኡ ናይ ብፅሑልና ቴሌፎን ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ እንተቕረበ እውን ‘’ኣይተኣዘዝናን’’ ብዝብል ከይመፁ ብምትራፎም ሒዞም ከምዝቐተሉዎ እናነብዐ ይዛረብ። ሓፍቶም ንኣቶ መርአድ በጃኹም ነዚ ግፍዒ እዚ ኣወግዱልና ክብላ እናነብዓ ተማሒፂነን።ካልእ ነባሪ እታ ከተማ እውን እዚ ስቕ ኢሉ ዝተፈፀመ ተራ ነገር ዘይኮነ ኮነ ተባሂሉ ዝትፈፀመ እዩ ክብል ገሊፁ። ኣማሓዳሪ ዞባ ኣርሲ ኣቶ ጀማል ኣሊዩ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከቡ 25 ወረዳታት ኣብ 6 ወረዳታት ብዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ህይወት 34 ሰባት ከምዝጠፍአ ገሊፆም።እቲ ዝተፈፀመ ካብ ዓቕሚ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ ከምዝነበረን ናይ ፀጥታ ኣባላት ሓዊሱ ከምዝተቐተሉን ኣረጋጊፆም ኣለው። ኣቶ ጀማል ከምዝበሉዎ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስተሰምዐ ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ መናእሰይ ንተቓውሞ ምውፃእ ምጅማሮም ገሊፆም። ‘’እቲ ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ ሓዘኑ ገሊፁ ክምለስ እዩ ኢልና ሓሲብና።ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ክፍፀም ኣይነበሮን።ንሕና እውን ሓዚና ኢና።እቲ ህዝቢ ብዝኾነ ይኹን ንመንግስቲ ክቃውም ይኽእል እዩ፤እንተደሊዩ ብኻልእ ኣገባብ እውን ክገልፅ ይኽእል እዩ።ነቲ ህዝቢ ይውክል እዩ እንተዘይብልና እውን ገለ ፀረ ሰላም ሓይልታት ዝተፈፀመ እዩ’’ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ብፍፁም ህይወት ሰብ ክጠፍእ ኣይነበሮን ንብረት ክዓኑው ኣይነበሮን ኢሎም። ዝተፈፀመ ቕትለት ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሄር እዩ ዝብል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምዃኑ ብምሕባር ከምዚ ኢሎም። ‘’ኣብዚ መጥቓዕቲ ኦሮሞ ሞይቱ እዩ፥ጉራጌ ሞይቱ፣ከምባታ ሞይቱ፤ትግራዋይ ሞይቱ ኣምሓራይ እውን ሞይቱ እዩ።እዚ ከመይ ገይርኻ እዩ ኣብ ሓደ ብሄር ተፈፂሙ ክብሃል ዝኽእል? እዚ ኮነ ተባሂሉ ናብ ሓደ ጫፍ ንምውሳን እዩ’’ ኢሎም። ኣቶ ጀማል እዚ ህዝቢ ሓቢሩ ዝነብርን ዝተዋለድን ብማሕበራዊ ርክባት ዝተኣሳሰረን ስለዝኾነ እዚ ክፍፀም ዘይነበሮ ዘሕዝንን ዘሕፍርን እዩ ኢሎም ። ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትርን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት መጥቓዕትታት ከምዝተፈፀሙ ኣሚኖም።እቲ ተግባር ዝተፈፀመ ኣብ መንጎ ክልተ ብሄራት ፅልእን ግጭትን ብምልዕዓል ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝዓለሙ ኣካላት እዮም ክብሉ ድሕሪ እቲ ግጭት ጉጅለታት ከምዘለው ሓቢሮም ኣለው። መንግስቲ ነዚ ብቕልጡፍ ብምርዳእ ናይ ፌደራል ፖሊስን ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻልን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ናይቲ ክልል ብሓባር ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ስለዝተሰርሐ እምበር ካብዚ ንላዕሊ ጥፍኣት ክወርድ ምኽኣለ ነይሩ ክብሉ ገሊፆም ኣለው። ምኽትል ፖሊስ ኮሚሽነር ክልል ኦሮሚያ ግርማ ገላን 145 ሰላማዊ ዜጋታትን 11 ኣባላት ፀጥታን ብድምሩ 156 ሰባት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከምዝሞቱ ገሊፆም።ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ 8 ስቪላትን 2 ኣባላት ፀጥታን ብድምር 10 ሰባት ከምዝተቐተሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ሓቢሮም።ብመግለፂ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 166 በፂሑ ኣሎ።እቲ መቕተልቲ ብቦምብ፣ጥይት፣ብእምንን ካልኦት ነገራትን ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብዚ ተግባር ተሳቲፎም ዝተv ኣስታት 2,000 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መንግስቲ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብኻልእ ዜና ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ብዝተላዕለ ህውከት ኣብ ከተማታት ኣምቦ፣ነቀምት፣ግምቢን ሆሮ ጉዱሩን ኣብ ዝኣመሰሉ ከተማታትን ናይ ምዕራብ ኦሮሚያ ከባቢታትን ኣንፃራዊ ሰላም ከምዝሰፈነ ብኣንፃሩ ድማ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ቀይዲ ምእታዎም ሪፖርተርና ናኮር መልካ ገሊፁ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኢትዮጵያ: ንሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ስዒቡ ብዝተላዕለ ህውከትን ተቓውሞ ኣስታት 80 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት ህቡብ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንደሳ ብዝቐጸለ ህውከት ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 80 በጺሖም። ስነ ስርዓት ቀብሪ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተወልደላ ከተማ ኣምቦ ኣብ ዝርከብቤተ ክርስትያን ገዳመ እየሱስ ሎሚ ሓሙስ ተፈፂሙ።ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሩ፥ 2 ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ኣብ ስታዲዮም ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምፍናው ስነ ስርዓት ብምኽኒያት ስግኣት ፀጥታ ውሑድ ቁፅሪ ዘለዎ ሰብ ከምዝተረኸበ ሓው ንሃጫሉ ሃብታሙ ሁንዴሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ። ብኻልእ ዜና ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ኣብ ኢትዮጵያ ህድኣት ክሰፍን ተማሕፂኖም።ኣብታ ሃገር ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ቀረባ ዝማዕበሉ ጉዳያት ብቐረባ ይከታተሉዎ ከምዘለው ብምሕባር እቲ ህውከት ናይ ብርክት ዝበሉ ሰባት ህይወት ከምዘጥፍአን ከምዘቑሰለን ሓቢሮም። ንመዋቲ ፅንዓት ዝተመነዩ ሙሳ ፋቂ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ነቲ ኩነታት ዘጎሃህር ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ፀዊዖም ኣለው። ኢትዮጵያ: ባይቶ ክልል ደቡብ ምስ ናይ ሲዳማ ክልል ናይ ስልጣን ርክክብ አካይዱ ኣብ ኢትዮጵያ ባይቶ ክልል ደቡብ፥ ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝገበሮ ካልኣይ ህጹጽ ጉባኤ፥ ንናይ ሲዳማ ክልል ናይ ስልጣን ምርኽኻብ ጌሩ። ህዝቢ ሲዳማ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብዝገበሮ ህዝበ ውሳነ፡ ሲዳማ መበል 10ይ ክልል ኢትዮጵያ ዝገብራ ምሉእ ስልጣን ምርካባ ተገሊጹ`ሎ። ነቲ ስልጣን ካብ ኣፈ-ጉባኤ ደቡብ ወ/ሮ ሀለን ደበበ ዝተቐበለ፥ ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዞባ ሲዳማ ኣቶ ሰሎሞን ላሌ፥ ብሽም ህዝቢ ሲዳማ ደስትኡን ምስጋንኡን ገሊጹ። ማሕበረኮም ኤርትራዊያን ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ንሰራሕተኛታት ጥዕና ኣፍልጦ ብምሃብ ኣመስጊኖም ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን፡ ዋሺንግተን ዲሲ ድማ፥ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ናብ ሆስፒታላት ብምብጻሕ፥ ንስራሕተኛታት ጥዕና ነቲ ዝገብርዎ ስራሕ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣመስጊኖሞም። እቶም ካብ ዋሽንግተን ዲሲ፥ ሜሪላንድን ቨርጂንያን ዝተኣኻኸቡ ኣባላት ማሕበረ-ኮም፥ መካይኖም ባንዴራ ኤርትራ ሸሊሞም ኣብ ኣፍደገ`ተን ሆስፒታላት ኣብ ዝተኣኻኸብሉ እዋን፥ ዶክተራት፥ ኣለይቲ ሕሙማትን ሰበ-ስልጣን`ተን ሆስፒታላትን ናብ ኣፍደገ ወጺኦም ተቐቢሎሞም። ኣብ ኣፍደገ -ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምስጋና፥ ነቶም ኤርትራውያን ወኪሉ መልእኽቲ ዘንበበ መንእሰይ ስምኦን ማሪዮቲ፥ ሰራሕተኛታት ጥዕና፥ ንውልቃዊ ጥዕናኹም ኣውንዚፍኩም፥ ንጥዕና ሕሙማት ክተቐድሙ፡ ካብ ጸገም ክትሃድሙ ዘይኮነስ ናብ ጸገም ስለ እትጎዩ፥ ኣፍልጦን ምስጋናን ንምሃብ ኢና መጺናኩም ዘለና ኢሉ። ኣተሓሒዙ ብሞያኹም ንትገብርዎ ተባዕ ጻዕርን ተወፋይነትን፥ ብሽም ኤርትራውያን መንእሰያትን ኤርትራውያን ኮሚኒቲ ዲ-ኤም-ቪ ብሓፈሽኡን ነመስግነኩም ኢሉ። ዋና ኣካያዲት ስራሕ ሃዋርድ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ኣኒታ ጀንኪንስ ነቶም ኤርትራውያን ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ድማ፥ እዚ ሆስፒታል፥ እዚ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፥ ንኮሚኒታዊ ኣገልግሎት ዝተወፈየ`ዩ፥ ንሳኻትኩም ድማ ነዚ ተረዲእኩም፥ ከምዚ ኢልኩም ብባንዴራን ሙዚቃን ተሰኒኹም ንዓና ክተመስግኑ ምምጻእኩም ብሓቂ ንዓና ዓብይ ህያብን ጸጋን`ዩ ሞ ኣዚና ነመስግነኩም ኢላ። ኣቦ-መንበር ኮሚኒቲ ኤርትራ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ኣቶ ወልዱ ፍቓዱ ብዛዕባ`ቲ ዕላማ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፥ እዚ ወርሒ`ዚ ስውኣትና እንዝክረሉ ረዚን ወርሒ ሰነ ስለዝኾነ፥ ብሽሞም፡ ነዞም ኣብ ምክልካል ኮቪድ-19 ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ዘለዉ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣፍልጦን ምስጋናን ክንህቦም ስለዝደለና ኢና ኢሉ። ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ንፀብፃብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነፂጎምዎ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ሰብኣዊ መግሃስቲ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንዘውፅኦ መግለፂ ብክፍተታትን ጌጋታትን ዝተመልአ እዩ ክብሉ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ነፂጎምዎ። ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት /ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል/ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍፀም ኣሎ ዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መግለፂ ምውፅኡ ይዝከር።እቲ ፀብፃብ ብጌጋታት ዝትመልአ እዩ ዝብል ነቐፌታ ቀሪቡዎ ኣሎ። ምሉእ ስእሊ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍጠር ዘሎ ኩነታት ኣየርኣየን ክብሉ ዝነቐፉዎ እቲ እቲ ክሲ ዝቐረቦም መግሃስቲ ተፈፂሙዎም ዝተብሃሉ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ነቲ ክሲ ነፂጎምዎ ኣለው። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ፀብፃቡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብን ጉጂ ከምኡ እውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ምፍፃሞም ዝገልፅ ፀብፃብ እቶም ክልላት ተቓዊሞምዎ ኣለው። ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ጌታቸው ባልቻ እቲ ፀብፃብ ሚዛናዊ ብዘይምዃኑን ንናይ ዝተወሰኑ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ድልየት ንምምላእ ዝቐረበ ብምዃኑን ኣይንቅበሎን ይብሉ። ‘’እቲ ፀብፃብ ኣብ ክልልና ኣብ ዞባ ጉጂ ዝጠቐሶ 39 ዜጋታት ብናይቲ ክልል ኣካላት ፍትሕን ሓይልታትን ህይወቶም ሓሊፉ ይብል።ካብዚኦም ውሽጢ ብሓይልታት ፅጥታን ናይ መንግስቲ ኣካልትን ዝተቐትሉ ኢሉ ዝበሎም ኣስታት 19፣ 16 ዝኾኑ እዮም።እቶም ዝተረፉኸ እኒ መንእዮም? ብከመይ ኣገባብ እዮም ዝተጎድኡ? ብከመይ ኣገባብ እዮም ዝተጎድኡ? ዝብል ብትኽክል ኣየመልከተን።ብኻሊእ ወገን ድማ ሰብኣዊ መሰላት ክብሃል ከሎ ዝኾነ ይኹን ሰብኣዊ መሰላትን ንኹሉ ዝሓቖፈን ክከውን ኣለዎ’’ ኢሎም። ኣምነስቲ ካብ ሓደ ወገን ጥራሕ ዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት ገይሩ ከምዘውፅኦን ናይ ኩሎም ዜጋታት ድምፂ እውን ከምዘይሰምዐን ወሲኾም ገሊፆም። ሓላፊ ዘፈር ምምሕዳርን ፀጥታን እቲ ክልል ኣቶ ጅብሪል መሓመድ ንመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብዝ ሃብዎ መግለፂ ብወገኖም እቲ መፅናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ ናይ ኦነግ ኣባላት፣ኦነግ ስልጣን እንተድኣ ዘይጨቢጡ ኢትዮጵያ ኣይክትቕፅልን፣መሰጋገሪ መንግስቲ እንተድኣ ዘይተጣይሹ ብዝብሉ ዝመፅአ ስለዝኾነ ገልተኛ ኣይኸውንን ኢሎም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ዝፈፀሞም ስራሕቲ ኣብ ግምት ዘየእተወ እውን እዩ ኢሎም ብምውሳኽ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ሪፖርቱ ኣብ ምዕራብ ጉጂ 16 ሰባት ኣብ ምብራቕ ጉጂ ድማ 23 ሰባት ብድምር 39 ሰባት ብዘይፍርዲ ብናይ ሞት ምቕፃዕቲ ከምዝተቐትሉን ዝተቐትሉ እውን ዕጡቓት ከምዘይኮኑን ሓቢሩ ኣሎ።ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ኣቶ ጌታቸው ፀጥታ ንምርግጋፅ ህይወት ሰብ ኣይጠፍአን ንብረት ኣይዓነወን ኣይብሃልን ግን እቲ መፅናዕቲ ንኩሉ ዝሓቖፈ ኣይኮነን፤ወገናዊ እዩ ኢሎም። ሓልፊ ዘፈር ምምሕዳርን ፀጥታን ክልል ኦሮሚያ ዝኾኑ ኣቶ ጅብርል መሓመድ ኣምነስቲ ብዛዕባ ቅትለ 92 ሰባት ሓደ ነገር ከይጠቐሰ ምሕላፉ ሚዛናዊነቱ ስሒቱ እዩ ኢሎም። ኣክቲቪስት ጀዋር መሓመድ ክእሰር እዩ ብዝብል ዝቐረበ ዝተጋገየ ሓበሬታ ምኽን ያት ብዝተልዓለ ዕንወት እንተወሓደ ህይወት 92 ሰባትጠፊኡ፣ልዕሊ 200 ሰባት ድማ ኣካሎም ጎዲሉን ብዙሕ ንብረት ዓኒዩን እቲ ፀብፃብ ነዚ እውን ክሓውስ ነይሩዎ ኢሎም። ኣቶ ጌታቸው ባልቻ መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምሕላው ስራሕቲ እናሰርሕ ምዃኑ እውን ሓቢሮም ኣለው። ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ እውን ንፀብፃብ ኣምነስቲ ብምቅ ዋም መግለፂ ኣውፂኡ እዩ።ሓላፊ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ግዛቸው ምሉነህ ነቲ መግለፂ ዝተቃወመሉ ምኽንያት ይገልፁ። ‘’ቀዳማይ ሪኢቶ ቀንዲ ሓላፍቲ መንግስቲ ናይቲ ክልል፣ዝምልከቶም መሓውራት ተሓቲቶም ሪፖርት ክህቡ ነይሩዎም።ካልኣይ ድማ ናይ ድሕንነት ቢሮ ዝሃቦ ሓበሬታ ዘይሓወሰ ብምዃኑ ብሓፈሻ ሓደ ወገን ኣብ ልዕሊ ካሊእ ወገን ዝተልዓለ ኣምሲሉ ዝቐረበን ፍትሓዊ ብዘይምዃኑን እዩ’’ ኢሎም። ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ተመዛቢሎም ናብ ክልል ኣምሓራ ዝመፁ ማለት እውን ካብ ክልል ቤንሻንጉል ዝተመዛበሉ፣ ዝተጎድኡን ዝተቐትሉን፣ኣብ ክልል ኦሮሚያ እውን ተመሳሳሊ ፀገም ዘጋጠሞም ኣለው፣ኣብቅማንት እውን ዝተምዛበሉ ኣምሓሩ ኣለው ነዚ ሓዊሶም ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ዘይወፀ ብምዃኑ ኢና ንቃወሞ ዘለና ኢሎም። ዝተቐተሉ ኣምሓሩ እናሃለው ቅማንት በይኖም ዝተፈለየ ይ በደል ከምዝተፈፀሞም ምቕራቡ ኣይተቐበልናዮን ኢሎም። ኣብቲ ሪፖርት ዝተጠቐሰ 55 ሰባት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ምቕባሮም፣ ቅትለት፣ብፎቶ ዝቐረቡ ምጉዳል ኣካል ኣይተፈፀመን ዲኹም ትብሉ ዘለኹም ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ኣቶ ግዛቸው ኣብ ቅማንትን ህዝቢ ኣምሓራን ፅንፈኛታት ብዝቐስቀሱዎ ምኽንያት ካብ ክልቲኡ ወገን ዝሞተ ኣሎ፤ነዚ እውን ኣብቲ እዋን ኮኒናዮ ኢና ኢሎም።ካብዚ ወፃኢ ግን ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢሮም ከምዚባ ከምዚ ኮይኑ ዝብሃል ትኽክለኛ ሓበሬታ ኣይኮነን ኢሎም። ዜጋታት ብሰላም ክነብሩ ናይ ምግባር መንግስቲ ሓላፍነት ኣለዎም ዝብሉለ ንሶም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩነታት ናብ ሰላማዊ ዝተመለሰ እውን መንግስቲ ብዝሰርሖ ስራሕ እዩ ኢሎም።ኩነታት ተረጋጊኦም ሰላም ምስተፈጠረ ኣምነስቲ ጎዶሎ ሪፖርት ኣቕሪቡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ቅሬታ ክፍጠር ምፍታኑ ንሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝሕለቕ ትካል ትፅቢት ዝግበር ኣይኮነን እውን ኢሎም ኣቶ ግዛቸው። ከምዚ ናይ ሎሚ ዝመስል ብዓል ዒድ ኣል-ፈጢር ኣኽብሪና ኣይንፈልጥን ይብሉ ነበርቲ ኢስትለይ ኣብ ናይሮቢ ሶማሊያዊያን ብበዝሒ ናይ ዝነብሩላ ክፋል ከተማ ኢስትለይ ነበርቲ፡ከምዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዝበለእስላማዊ በዓል ኣኽብሪና ኣይንፈልጥን ኢሎም።መንግስቲ ሰባት ካብን ናብን እቲ ከባቢ ምእታው ይኹን ምውፃእ ንተወሳኺ ክለተ ሰሙን ድሕሪምኽልካሉ ዒድ ኣል-ፈጢርኣብዕፁውኮይኖም የኽብሩ ኣብዘለውሉ እዮም ነዚ ዝብሉ ዘለው። ኣብ ኢስትለይ ሹቓት ተዓፂዮም፣ኣብ ጎደናታት እውን ሰብ ዝብሃል ዳርጋ ኣይርኣይን።ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተኣወጀ ትእዛዝ ንመንፈስ ኣከባብራ ብዓል ኣዳኺሙዎ እዩ። ምስ ቤተሰቡ ኮይኑ ኣብ ገዝኡ የኽብር ዘሎ መሓመድ ዖስማን ‘’ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣለና፤ናብ ዕዳጋ ክንኸይድ ኣይንኽእልን፤ሓይልታት ፀጥታ ፈቖድኡ ስለዘለውኣቑሑት ክንገዝእ ኣይክኣልናን’’ ይብል። ‘’ናይሎሚ ዒድ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ዝተፈለየ እዩ፤ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ናይ ሰባት ምትእኽኻብንምርኻብን የለን’’ በለ ብምውሳኽ። ወናኒ መደብር መሸጢ ክዳውንቲ ዓብዲሻኩር ጋራድ ኣብ እዋን እቲ ብዓል ሽቑ እንተኸፈተ እውን ምስ ሰባት ክራኸብ ኣይክኣለን።‘’ሰባት ብሓባር ዘየኽብርሉ፣ነንሕድሕዶም ዝፈራርሕሉ፣ብኢድ ዘይጨባበጥሉ፣ናብ ገዛውቶም ዘይገባብዝሉ ብዓል ዒድ ኣብ ህይወተይ ሪአ ኣፈልጥን’’ ኢሉ ዓብዲሻኩር። ሰበስልጣን ኬኒያ ኣብ ኢስትለይ ኣብ ሓንቲ ማዕልቲ በቲቫይረስ ዝተለኸፉ ሓደሽቲ 29 ሰባት ድሕሪምርካቦም 6 ግንቦት 2020 ኣፈ ነቲ ከባቢ ዓፅዮምዎ።እቶም ሰበስልጣን ሕክምናን ምግቢን ናብቲከባቢ ክኣትውን ክወፅእን ፈቒዶም እዮም። ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኬኒያ ምትእኽኻባት ኣጊዳ እያ።ሃይማኖታዊ መራሒ ሸኽመሓመድ ሻኩል ሰባት ይሞቱ ስለዘለው ካብቲ ሕማም ንምክልኻል ነቲ መልእኽቲ ኣኽቢድና ክንሪኦኣለና ይብሉ። ’’ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ለበዳ ኣብዝተልዓለሉ እዋን ከምዚ ዝበለ ተግባር ክፍፀም ከምዝተገበረብዙሓት ኣስተምህሮታት ነብዪ መሓመድ ስለዝምህረና፤ ምስ እስላማዊ ኣመለኻኽታ ዝሳነ እዩ’’ኢሎም ሸኽ ሻኩል። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበስልጣን ኬኒያ እቲ ናይ ምንቅስቓስ እገዳ ንኻሊእ ክልተ ሰሙናት ኣናዊሖምዎ እዮም።ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኬኒያ ሳይረስ ኦጉና እቲ ስትራተጂ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር እዩይብል። ኣብ ኢስትለይ ዝተነብረ እገዳ 6 ሰነ 2020 ኣ/ፈ ከብቅዕትፅቢት ይግበር። ንጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዘፃሪ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ መስከረም ክፍጠር ንዝኽእል ክፍተት ንምምላእ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሞያዊ ሓሳብ ዘቕርብን ንጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዘጻርይን ጉባኤ ስራሑ ጀሚሩ።እቲ ጉባኤ ሰብ ሞያ ሕገ መንግስትን ኣብ ምርቃቕ ሕገ መንግስቲ ናይ ዝተሳተፉን ሰባት ርእይቶታትን ይቕበል ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝቕፅል መስከረም ክፍጠር ንዝኽእል ክፍተት ሕገመንግስታዊ ትርጉም ንምሃብ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ተመሪሑ ኣሎ።ትርጉም ዝተሓተተሎም ዓንቀፃት ብሓደ ወገን በብሓሙሽተ ዓመት ምርጫ ክካየድ ከምዘለዎ ዝገልፅን በቲ ኻልእ ድማ ኵናትን ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ኩነታት ከጋጥም ከሎ ኣብስልጣን ዘሎ መንግስቲ ናይ ህጽጹ እዋን ኣዋጅ ክእውጅ ከምዝኽእል ዝገልፁ እዮም። ድሮ እውን ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሞያዊ ሓሳብ ዘቕርብ ጉባኤ መፃረይ ሕገ መንግስታዊ ጉዳያት ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።እቲ ጉባኤ ሰብ ሞያ ሕገ መንግስትን ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ናይ ዝተሳተፉ ውልቀሰባትን ርእይቶታትን ንኽልተ መዓልታት ተቐቢሉ ኣሎ። ሓደ ኣባል ኣርቃቒ ኮሚሽን ሕገ መንግስቲ ዝነበሩ ኣምባሳደር ታየ ህዝቀስላሴ ድሕሪ መስከረም ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መን እዩ ዝብል ነቲ ሕገ ብምትርጓም እዩ ዝርከብ ኢሎም ኣለው። ምሁር ሕግን ፖለቲካንፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገብረማሪያም ካብ ኣሜሪካ ንሕገ መንግስቲ ብምትርጓም መፍትሒ ምሃብ ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ብዝሒ ዘለዎም ሰባት መዝጊባ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ብዝሒ ዘለዎም ሰባት መዝጊባ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት መርመራ ካብ ዝተገብረሎም 1775 ሰባት ኣብ 35 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረኸቦም ሚንስተር ጥዕና ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ`ላ። እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኩሎም ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ኸለዉ- መብዛሕቲኦም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ`ዮም።\n\nብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሓመድ፥ ኮቪድ 19 እናሰፍሐ ብምምጽኡ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኩሎምን ሸለል ከይበሉ ንኩሎም ዝወጹ መምርሕታት ክትግብሩ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ`ሎ። ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ጸገም መፍትሒኡ ሕገ መንግስታዊ ደአ እምበር ፖለቲካዊ ኣይኮነን ክብል ፓርቲ ብልጽግና ኣፍሊጡ ኢትዮጵያ ንዘጋጠማ ጸገም መፍትሒኡ ሕገ መንግስታዊ ደአ እምበር ፖለቲካዊ መፍትሒ አማራጺ ኣይኮነን ክብል ፓርቲ ብልጽግና ኣፍሊጡ። ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቃለ መጠይቕ ዝካየዱ ወሃቢ ቃል ፓርቲ ብልጽግና ኣቶ ኣወሉ ዓብዲ መፍትሒ ሓሳብ አለኒ ዝብል አካል ካብ ሕገ መንግስታዊ ውሳነ ከይወጸ አማራጺኡ ከቕርብ ይክእል’ዩ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ኣብ ልዕሊ ዝቐረቡ አማራጺታት ምስ ዝኾነ አካል ንምዝርራብ ፓርቲ ብልጽግና ማዕጽኡ ክፉት’ዩ’ውን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ነባር ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብርሃ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዓሪፉ ኣብ 1975 ካብ ኤውሮጳ ናብ ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ዝተጸንበረን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኢትዮጵያን ዓዲ እንግሊዝን ከም ላዕላዋይ ዲፕሎማት ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለን ኣቶ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ለንዶን ኣብ መበል 71 ዕድሚኡ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዓሪፉ'ሎ። ኣብ ኒው ጀርሲ ኣመሪካ ዝቕመጥ ሓዉ ብርሃነ ኣብርሃ፡ ኣፈወርቂ፥ ኣቦ ስድራን ሓቛፊ ቤተሰቡን ምንባሩ ይጠቅስ። ስነ-ጥበባዊን ደራስን ሃይለሚካኤል ሃይለስላሰ (ሊንጎ ) ድማ፤ 'ታዕሊም ወዲኤ ኣብ ኣፍደገ እምባደርሆ ድፋዕ ምስ ኣተና እታ ቀዳመይቲ ለይቲ፥መራሒ መስርዐይ ምስ ኣፈወርቂ'ዩ መተሓድርቲ ጌሩ መዲቡኒ 'ብምባል ኣብ ስነ-ጥበብ'ውን ዓቢይ መምህሩ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ኣብ ሓንቲ ሓይሊ ነዊሕ ተጓዒዝና ዝበለ ገዲም ተጋዳላይን ደራስን ክፍለሃንስ ተወልደብርሃን (ጎርደን ) ብወገኑ ንኣፈወርቂ ኣብርሃ፡ ብምቕሉልነቱን ሓላይነቱን ብምዝካር ዘይትካእ ዲፕሎማት ምንባሩ ይምስክር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ። No media source currently available ኣብ ኢትዮጵያ 17 ሓደሽቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምምዝጋቦም ተገሊጹ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ 17 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚንስትሪ ጥዕና`ታ ሃገር ኣፍሊጡ።ብመሰረት ሚንስትር ጥዕና /ር ሊያ ታደሰ እቶም ቫይረስ ኮሮና ዝተረኸቦም ኩሎም ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ኸለዉ- ሸውዓተ ካብኣቶም ካብ ጅቡቲ ተመሊሶም ኣብ ክልል ዓፋር ተወሺቦም ዝነበሩ`ዮም ። ቁጽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ናብ 162 ክብ ኢሉ`ሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየዱ ፕረ.ኢሳያስ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ጌሩ ትማሊ ሰሉስ ናብ ሃገሩ ከም ዝተመልሰ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢስያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልቲኣውን ዞባውን ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ከምዝገበሩ ዝገለጸ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ፥ብዛዕባ`ቲ ዝርርብ ግን ንጹር ሓበረታ ኣይሃበን። ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከባብታት ዙዋይ ዝርከብ ሕርሻውን ናይ ማይ ልምዓትን ፕሮጀክትታት ከም ዝተዓዘበ`ውን እቲ ዜና ጠቒሱ`ሎ። ካቢነ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ቁጠባዊ መነቃቅሒ ንክግበር ወሲኑ ካቢነ ሚንስትራትኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ቁጠባ እታ ሃገር ንዝወረደ ጉድኣት ንምንካይ ዘኽእል ኣጀንዳ ተዘራሪቡ ፍታሕ ከምዘነጸረ ፋና ብሮድካስቲንግ ገሊጹ። እቲ ካቢነ ሎሚ ሰሉስ ድሕሪ ዝነበሮ ህጹጽ ኣኼባ ‘ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ኩሉ ህዝቢ ዝተጸለወ ኮይኑ ከምዝረኸቦ’ ንጹር ኮይኑሎ ኣሎ ይብል ። ብመሰረት’ዚ፣ ቁጠባዊ መነቃቅሒ ንክግበር፣ እቲ ለበዳ ኣብ ህዝቢ ዘውረዶ ጉድኣት ንምክልኻል ክውሰዱ ዘለዎ ስጉምታት ሓቢሩ እዩ። ሎም ዘበን ግብሪ 20 ሚእታዊት ምንካይ ግብሪ ንክፍጸም ዝብሉን ካልኦትን ስጉምቲታት ንክውሰዱ ከምዝተወሰነ’ውን’ እቲ ዜና ጠቂሱ’ ሎ። ኣብ ኤርትራ 11 ሰባት ካብ ቫይረስ ኮሮና ሓውዮም ነናብ ኣባይቶም ምኻዶም ተሓቢሩ ኣብ ኤርትራ ሓሙሽተ ካብቶም ኣብ ሕክምና ተዓቍቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ ሕሙማት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ብዝተገብረሎም መርመራ ካብ’ቲ ሕማም ናጻ ኮይኖም ስለዝተረኽቡ ትማሊ 23 ሚያዝያ ናብ አባይቶም ከምዝተፋነዉ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኣፍሊጡ። ምስ’ቶም ኣቐዲሞም ብተመሳሳሊ ኣገባብ ካብ’ቲ ሕማም ሓውዮም ዝተፋነዉ 6 ሰባት ብጠቕላላ ቁጽሪ ካብቲ ቫይረስ ዝሓወዩ 11 ምብጽሖም ሚንስትሪ ጥዕና ገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስትሪ ጥዕና ህዝቢ እዋናዊ ሓበሬታ ዝረኽበሉ ግዝያዊ ማእከል ሓበሬታ ከፊቱ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ምስ ምምጻእ ሕማም ኮሮና ቫይረስ እዋናዊ ሓበሬታ ንምሃብን ሕቶ ህዝቢ ንምምላስን ግዝያዊ ማእከል ሓበሬታ ከፊቱ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ይህብ ከምዘሎ ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ።እቲ ብነጻ መስመር ቴለፎናት ዝወሃብ ኣገልግሎት ዝተፈላለዩ ክኢላታት ሰብ ሞያ ጥዕና ዝሳተፍዎ ብምዃኑ ዝኾነ ሓገዝ ዝደሊ ሰብ ቅልጡፍ ሓበሬታን ምላሽን ከምዝወሃቦ ኣዋሃሃዲ ናይ’ቲ ማእከል ዶ/ር ሃብቶም ክፍለ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቡ። ናይ ህጹጽ ረድኤት ንዝደልያ ሓራሳትን ካልኦት ሕሙማትን ናይ ኣንቡላንስ ኣገልግሎት ከም ዝህብን ዶ/ ር ሃብቶም ተዛሪቡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራዊያን ሓተቲ ዕቑባ ፖሊሲኣ ከምዝለወጠት ተፈሊጡ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ንዝኣትው ብቐጥታ ዕቑባ ምሃባ ጠጠው ከምዘበለት ተፈሊጡ።ሕብራት መንግስታትን ጉጅለታት ረድኤትን እዚ ዘይእውጅ ፖሊሲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለን እዚ ክኣ ካብታ ሃገር ክሃድሙ ንዝፍትኑ ኤርትራዊያን ኣብ ኢድ ጨካናት ኣዛወርቲ ሰባት ዘውድቕን እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኸ ለገስቲ ናእዳ ዘትረፈላ ከም ካብ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት ንዝመፁ ሓተቲ ዕቑባ ማዕፁኣ ክፉት ናይ ምግባር ፖሊሲ ንዓመታት ሒዛ ፀኒሓ እያ። ብመሰረት ሕቡራት መንግስታትን ጉጅለታት ሰብኣዊ ረድኤትን ግን ኢትዮጵያ ብስሩዕ ከይኣወጀት ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚራ ፓሊሲኣ ቀይራ ኣላ።መንግስቲ ካብታ ሃገር ክሃድሙ ይፍትኑ ንዘለው ኤርትራዊያን ብቐጥታ ዕቑባ ኣይክህብን። ብመሰረት ቪኦኤ ዝርኣዮን 9 ሚያዚያ 2020 ኣ/ፈ ዝተፅሓፈን ደብዳበ ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመልስትን ቅድም ክብል ይስርሓሉ ዝነበረ ኣገባብ ናዳይ ዘይብሎም ቆልዑ፣ዘይሕጋዊ ስደተኛታትን ዕቑባ ምርካብ ዘኽእል መዐቀኒ ዘይማልኡ ብበዝሒ ክውሕዙ ዝገበረ እዩ ክብል ንለገስትን ጉጅለታት ረድኤትን ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ነጊሩዎም ኣሎ። ኣክቲቪስታትን ጉጅለታት ረድኤትን እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ኣስገዳድ ምልመላ ፕሮግራም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይደልዩ ኤርትራዊያን ዝህልዎም መማረፂታት ዝድርት እዩ ይብሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ስደተኛታትን ኣን ኢንካውንተር ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ኤርትራዊያን ኣብ ኢድ መርበብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰባት ክወድቑ ዝገብር እዩ ኢለን። ‘’እቲ ሻቐሎት ናይ ብሓቂ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት፣ ህፃውንቲ እዩ።ኣብዚኦም እዩ እቲ ሓደጋ ዘሎ።ምኽን ያቱ ናብ ኣውሮፓን ካሊእ ከባቢን ንምጉዓዝ ኣብ ኢድ ኣዛወርቲ፣ነጋዶ፣ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ይወድቑ’’ ኢለን። ሰበስልጣን ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትንከምኡ እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ክልቲኦም ሪኢቶም ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዘለቐ ግጭት ጠጠው ክብል ኣብ 2018 ኣ/ፈ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም።እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ክልቲኦም መራሕቲ ክልቲኣዊ ርክቦም ንምሕያል ብተደጋጋሚ ክራከቡ ፀኒሖም እዮም። ካብ ኤርትራ ንዝመፀ ስደተኛን ኣቐባሊ ቃል ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተምሃሮ ዩኒቨርስትን ማሕበር ተምሃሮን በረኸት ዘሙይ ካብ ኤርትራ ክሃድሙ ዝድልዩ ዘለው ህይወቶም ኣብ ስግኣት ስለዝወደቐ እዩ ይብል። በረከት ‘’ሕድ ሕድ ኤርትራዊ ስድራ ብናይታ ሃገር መላኺ ስርዓት ተተንኪፉ እዩ።ከምልጡን ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ዝፍትኑ ዘለውን ንህወቶም ስለዝሰግኡ እዮም፤ዋላ እውን እቶም ናዳይ ዘይብሎም ዕሸላት ይኹኑ እቶም ስድራታት።እቶም ናዳይ ዘይብሎም ቆልዑ ናብ ገዛውቶም ክምለሱ ከለው ከም ከድዓት እዮም ዝርኣዩ’’ እዩ ዝበለ። ካብዚ ሓደሽ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብን 10,000 ኤርትራዊያን ኣዕቒቦምሉ ንዝርከቡ ማእኸል ስደተኛታት ሕፃፅ ክትዓፅዎ ትልሚ ኣለዋ። ኣብ ኣዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንመዕቖቢ ስደተኛታት ሕፃፅ ምዕፃው ነበርቲ ናይቲ ካምፕ ከይተሓሰበ ነቲ ቫይረስ ከጋፍሑዎ ይኽእሉ እዮም ክብላ ዝምከር ኣይሎነን ይብላ ኢንካውንተር። ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ጠጠው ንምባል ንኩሎም ዶባታታ እንተዓፀወት እውን ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣስታት 2,000 ደቡብ ሱዳናዊያን ሓተቲ ዕቑባ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎምን ሕቡራት መንግስታት ገሊፁ ኣሎ። ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዳህሳስ ገዛ ንገዛ ይካየድ ምህላው ተገሊጹ ኣብ ክልል ትግራይ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ካብ ትማሊ ጀሚሩ ገዛ ንገዛ ዳህሳስ ለበዳ እቲ ሕማም ይካየድ ኣሎ:: ምክትል ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ: እቲ ዳህሳስ ኣብ ትግራይ ኩነታት እቲ ለበዳ ንምፍላጥ ሓጋዚ እዩ ኢሎም:: ብተወሳኺ ንሶም ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ተጋሩ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ ይግባእ ኢሎም:: ኣብ ጉዳይ እቶም እሱራት ጠሚቱ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገብርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ትማሊ ንጋዜጠኛታት እቲ ክልል ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ንምክልኻል ቫይረስ ኮረና ዘተባብዕ ውፅኢት ተረኺቡ እዩ ኢሎም:: ኣብቲ ክልል ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ኣዋጅ ህጹፅ ግዘ ዝተኣወጀ ከምቲ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ዝነበረ ትካላት ምዕፃውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝግበር ምንቅስቓስ ምኽልካል ኣይቕፅልን ኢሎም:: ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ክልል ትግራይ በብእዋኑ ህልዊ ኩነታት እናርኣየ ምምሕያሽ ክገብር እዩ ኢሎም:: ከም ኣብነት ካብ ትማሊ ሶኑይ ጀሚሩ ምኽፋት እንዳ ፅሟቕ ኣካል እቲ ምምሕያሽ ምኻኑ ሓቢሮም:: ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግምጋም ዘኽእል ስራሕቲ ዳህሳስ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ መላእ ኣባይቲ ክልል ትግራይ ይካየድ ኣሎ:: ኣብዚ ገዛ ንገዛ ዝካየድ ስራሕ ዳህሳስ ልዕሊ 23 ሽሕ ሰብ ሞያ ይሳተፉ ምህላው ተገሊጹ:: እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ትግራይ ከብፅሖ ዝኽእል ፅልዋ ንምርዳእ እቲ ስራሕቲ ዳህሳስ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢሎም:: ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዘይተፈለጠ ምኽንያት ናብ ትግራይ ኣትዩ ከይኸውን ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ዝሞቱ ሰባት ምኽንያት ሞት ይምርመር ምህላዉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቦም ነይሮም:: ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ኩነታት እቲ ለበዳ ዘየስግእ እንተኾይኑ እቲ ስራሕቲ ምክልኻል ካብቲ ክልል ወፃኢ ንዝመፁ ሰባት ልዑል ጠመተ ክወሃብ ኢሎም:: ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዘረብኦም ኣብ ልዕሊ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዝተኸፈተ ወፍሪ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ ኢሎም:: "ዶክተር ቴድሮስ ኣብዚ ፈተኒ እዋን ታሪኻዊ ዕማም ይፍፅም ኣሎ" ክብሉ ተዛሪቦም:: ንቫይረስ ኮሮና ይኹን ንኻልእ ኣንፃርና ዝለዓል ምንቅስቓስ ዝምክት እኹል ዓቕሚ ኣለና ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብዚ እዋን ዘበሳብሰና ሓይሊ ኣይክህሉን ኢሎም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር "ፓለቲካዊ እሱራት ተጋሩ" ኣለዉ ብምባል እዚኦም ቅድም ኢሎም ክፍትሑ ዋላዃ እንተነበሮም ሐዚ ግና ብምኽንያት ኮሮና ክፍትሑ ይግባእ ኢሎም። እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ይግባእ ኢሎም ዶክተር ደብረፅዮን ንዘልዓልዎ ሕቶ ካብ ሰብስልጣን መንግስቲ ፌዴራል ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ቅድሚ ሐዚ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ እሱር የለን ብምባል ንዝለዓል ክሲ ምላሽ ክህብ ፀኒሑ እዩ:: ንሶም ወሲኾም ልዕና ሕጊ ንምኽባር መረዳእታ ብምሓዝ እዩ ዝኸስስ እምበር ብሄር ብምፍላይ ወይ ድማ ብፖለቲካዊ እምነት ዝእሰር ኮነ ዝኽሰስ የለን ብምባል ምላሽ እናሃበ ፀኒሑ እዩ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 1,559 እሱራት ብይቕረታ ከምዝፍትሑ ኣፍሊጡ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ 1,559 እሱራት ብይቕረታ ከምዝፍትሑ ሎሚ ኣፍሊጡ። ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ንኸይላባዕ እቲ ስጉምቲ ከም ዝተወስደ ጠቕላሊ ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ሎ። ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ዝናቡ ተኑ ኣብ ቀጻሊ`ውን ኩነታት እናተራእየ መንግስቲ ዝውስኖም ተግባራት ክፍጸሙ`ዮም ኢሉ ። ቅድሚ ሎሚ`ውን ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከይላባዕ ንምክልኻል ልዕሊ ኣርባዕተ ሺሕ እሱራት ተፈቲሖም’ዮም። መንግስቲ ክልል ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ኣዊጁ ካቢነ መንግስቲ ክልል ትግራይ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ: ንክልተ ሰሙናት ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ምእዋጁ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቦም:: ብመሰረት’ቲ ኣዋጅ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ገጠር ናብ ከተማ፤ ካብ ከተማ ናብ ገጠር ካብ ከተማ ናብ ከተማ ካብ ገጠር ናብ ገጠር ዝግበር ጉዕዞ ተኸልኪሉ ኣሎ:: ካቢነ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንክልተ ሰሙን ዝፀንሕ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብያተ ትምህርቲ ተዓፅዮም ክፀንሑ ከምዝተወሰነ ገሊፆም:: እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ካብ 19 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ካብን ናብን ዝግበር ምንቅስቃስ ጠጠው ክብል ተወሲኑ ኢሎም :: ናይ ፀጥታ: ጥዕናን ኣካላት ምምሕዳርን ክንቀሳቐሱ ይፍቀደሎም እዩ:: ብተወሳኺ ድማ መሰረታዊ ሸቐጣት ንምዝውዋር ይፈቀድ እዩ ኢሎም:: ካብዚ ወፃኢ ግና ክልኩል ምኻኑ ተዛሪቦም:: ምስ መንግስታዊ ግልጋሎታት ተኣሳሲሩ ግድን ዘይኮኑ ስራሓት ክዕፀው ግድን ዝኾኑ ድማ ኣብ ገዝኦም ኾይኖም ክሰርሑ ተባሂሉ ኣሎ። ናብ ኣብያተ ፅሕፈት ምእታው ግድን እንተኾይኑ ድማ ተረሓሒቆምን ኣፎምን ኣፍንጨኦምን ብመሸፈኒ ክሽፈኑ ይግባእ ዝብል ውሳነ ተመሓላሊፋ። ሰሙናዊ ህዝቢ ብበዝሒ ዝሳተፈለን ዕዳጋታት ትግራይ ዝተኣገደ ኮይኑ ኣብቲ ክልል ዝኾነ ይኹን ኣኼባ ከይካየድ እውን ተወሲኑ'ሎ:: ምስ ትካላት ንግዲ ተተሓሒዙ ቤት መስተ: እንዳ ጫትን ብተወሳኺ እውን ለይታዊ መዘናግዒ ክዕፀዉ ከምዝተወሰነ ዝገለፁ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ስቴድዮም ማእኸላት ቢንጎ: ፑልን ካልኦት ሰብ ዝእከበሎም መዘናግዒ ማእከላት ንኽልተ ሰሙን ክዕፀው ተወሲኑ ኣሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ 30 ሃገራት ዝነበሮ በረራ ምቁራጹ ተገሊጹ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሰላሳ ሃገራት ዝገብሮ በረራ ከምዘቋረፀ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።ካብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ተጉዓዝቲ ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ክዉሸቡ ግዴታ ከምዝተቐመጠን ንፃንሒቶም ድማ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ከምሽፍኑ ወሲኾም ሓቢሮም። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህፃናት ዘለወንን ናይ ኣመክሮ ግዚኦም ዝበፅሐን ቀሊል ክሲ ዘለዎምን ክፍትሑ ከምዝተወሰነ ገሊፆም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ንዝፍፅሙ ገበናት ንምቁፅፃር ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኮሚሽን ፖሊስ ኮማንደር ፋሲካ ፋንታው ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣባላት ፖሊስ ነቲ ቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ዋጋ ኣብ ልዕሊ ዝውስኹ ነጋዶ ይቆፃፀሩ ኣለው ኢሎም። ንዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣበርክቶ ዘለዎም ክለባት ለይታዊ ትልሂትን እንዳ ሺሻ ዝኣመሰሉ ቦታታት እውን ቁፅፅር ይግበር ከምዘሎን ምስ እዚዝተኣሳሰሩ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ኤርትራ ዝተርኣየ ወራራ ኣንበጣ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ሚንስትሪ ሕርሻ ገሊጹ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ዝተርኣየ ወራር ኣንበጣ ብዝተኻየደ ውሁድ ናይ ምክልኻል ስረሕ ፡ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ኣብ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሓላፊ ኣሃዱ ሳገምቲ ባልዓት ኣቶ ቴድሮስ ስዩም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጽእ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ፡ኣብ ምክልኻልን ምቁጽጻርን ከም ቀንድ ብድሆ ከምዝነበረ ዝገለጸ ኣቶ ቴድሮስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ይረአ ብዘሎ ዘይንቡር ዝናብ፡ተርእዮታት ኣንበጣ ይቕጽል ብምህላዉ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ዓይነት ምድላውት ተጌሩ ከምዘሎ ኣብሪሁ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኤርትራን ኢትዮጵያን ንፈተነ ቅትለት ቀ/ሚ ሱዳን ኮኒነን መንግስት አርትራ ብ9 መጋቢት ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝተገብረ ፈተነ ቅትለት ብትሪ ከምዝኩንኖ፡ፕ ረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ናብ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ዝሰደዶ መልእክቲ ገሊጹ። ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ብምኹናን “ህዝቢ ሱዳን ሰላም ኣብታ ሃገር ክሰፍን ከቢድ ዋጋን ዘገርም ስጉምቲታትን ወሲዱ’ዩ: ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ድማ ነቲ ንምርግጋእ ሱዳን ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ዘተዓናቕፍ’ዩ” ኢሎም። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ብወገኖም በቲ ፍጻመ “ምጉሃዮምን ምስንባዶምን” ብምግላጽ ኣብ ጎኒ ቀ/ሚ ሱዳንን ህዝቢ ሱዳንን ደው ከምዝብሉ ብምሕባር ነዚ ተግባር ዝፈጸሙ ድማ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዖም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ድኽነት ንምጉዳል ዝውዕል 26 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ወፍዩ ሕብረት ኣውሮጳ ንዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ምጉዳል ድኽነት ዝውዕልን 26 ሚሊዮን ዩሮ ንኢትዮጵያ ወፍዩ ሓጊዙ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሃገራዊት ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣቶ ምትኩ ካሳ ከምዝገለፁዎ እቲ ፕሮግራም ኣብ ትምህርቲ፣ጥዕና፣ሕርሻን ካልኦትን ዓውድታት ንከጋጥሙ ዝኽእሉ ሓደጋታት ንምንካይ ዝውዕሉ እዮም ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ዮሃን ቦርግስታም እቲ ሓገዝ ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሕ ፕሮግራም ዝውዕልን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽግር ንምክልኻል ዝሕግዝ እዩ ኢሎም። እቲ ሓገዝ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ሶማሌን ደቡብን ዝውዕል ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንመበል ሻድሻይ ጊዜ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝምራሕ በረራ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ አካይዱ ትማሊ ኣብ መላእ ዓለም ዝተዘኸረ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምክንያት ብምግባር መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ምሉእ አባላት’ታ ነፋሪት ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ነፋሪት ብምሓዝ ካብ አዲስ አበባ ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ትማሊ ሰንበት ኣትያ’ላ። እቲ መንገዲ ኣየር ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝምራሕ በረራ ናብ ኣሜሪካ ከካይድ እዚ ፈላማይ’ዩ። እታ ነፋሪት ዳላስ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝኣተወትሉ ወኪል ከንቲባ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ ስልጣን’ቲ መንገዲ ኣየር ተረኺቦም እዚ በረራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝኾነ ዓውዲ ዝበለጸ ተራ ክጻወታ ከምዝክእላ ዘርኣየ’ዩ ክብሉ ርእይትኦም ሂቦም ኣለው። ነዚ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝምራሕ በረራ ንመበል ሻድሻይ ጊዜ ብምምራሕ ዝመጸት ካፕቴን ኣምሳል ጓሉ ብዛዕባ’ቲ በረራ ከምዚ ኢላ’ላ። No media source currently available “ ቀንዲ ዕላማ እዚ ከምዚ ዓይነት በረራ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ መንእሰያት ብገዛእ ርእሰን ምትእምማን ክውስኻ፡ ብደቂ ተባዕትዮ ዝተሓዝኡ ዝተባህሉ ዓውድታት ስራሕ ክኣትዋን ክዕወታን ከምዝክእላ መርኣያ ክከውን፡ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ድማ ብዙሕ ናይ መሓውራት ዜና ሸፈነ ስለዝረኽብ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተሓተሉ ዓውድታት ዘሎ ጸገምን ንምርኣይን መፍትሒ ንምምዝርራብን ዕድል ዝህብ’ዩ።እዚ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ የምጽእ ኣሎ ማለት’ዩ። ካብኡ ቀጺሉ ደቂ ኣንስትዮ ንሓድሕደን ክደጋገፋን ክራኸባን ክዘራረባን ኣለወን።” ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣቶ ፍጹም አረጋ ጓል ኣንስተይቲ እንተተማሂራን ዘድልይ ድጋፍ እንተረኪባን ዝኮነ ነገር ክትገብር ከምትክእል ዘርኣየ ስራሕ’ዩ ብተወሳኺ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ንዝዓብያ ዘለዋን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን አርአያ ዝኸውን እዩ ኢሎም። ካብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ተወኪለን ዝመጻ ሲቦበሊ ኩፕ እዚ ንመበል ሻድሻይ ጊዜ ብደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝተኻየደ በረራ ምስክር ጽንዓትን ተወፋይነት’ዩ ድሕሪ ምባል ንኣፍሪቃዊያን ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኣቭየሽን ክጽንበራ ዝደልያ ተስፋ ዝህብን ዘተባብዕን’ዩ ኢለን። ነታ ነፋሪት ዝመርሓት ካፕቴን፡ተቐበልቲ አጋይሽ’ቲ በረራ፡ ክፍሊ መሃንዲሳት’ቲ በረራን ካልኦት ዓውድታት’ቲ በረራ ብምሉኡ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተሸፈነ ምንባሩን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ከምዚ ዓይነት በረራ ንመበል ሻድሻይ ጊዜ የካይድ ምህላው ተፈሊጡ’ሎ። ኣቐዲሙ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ በረራታት ናብ ባንኮክ፡ኪጋሊ፡ሌጎስ፡ቦነስ ኣይረስን ኦስሎም ምክያዱ ይፍለጥ። ቅድመ ምርጫ ፖለቲካዊ ምብርባራት፣ጥርዓናት ተቓወምትን መልሲ ገዛእቲ ውድባትን ቦርድ ምርጫን ኣብ ኢትዮጵያ (2ይ ክፋል) ኣብ ኢትዮጵያ 23 ነሓሰ 2012 ዓ/ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ንምስታፍ ፖለቲካዊ ውድባት ምዳላዋት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።ይኹን እምበር ኣኼባታትን ፖለቲካዊ ምልዕዓላትን ንምክያድ ተቓወምቲ ውድባት ሎሚ እውን ይፅገሙ ከምዘለው ይገልፁ። ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ዓረና ትግራይን ሳልሳይ ወያነን ናይ ትግራይ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባርን ዕንቅፋት የጋጥመና ኣሎ ኢሎም ክሲ የቕርቡ። ክልላዊ መንግስትኒ ትግራይ ግን ንቶም ጥርዓናት ይነፅጎም።ህውሓት፣ዓረና ትግራይ፣ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይን ንምርጫ ዘካየድዎ ዘለው ምድላዋትን እቲ ምርጫ ሰላማዊ፣ዴሞክራሲያዊን ተኣማኒን ንክኸውን ክግበሩ ዘለዎምን ዘርዚሮም ኣለው። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ክልል ትግራይ ለበዳ ሕማም ንፍዮ ከምዝተርኣየ ተገሊጹ ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ለበዳ ሕማም ንፍዮ ከምዝተርኣየ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ:: ቁፅሪ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ሰባት ክሳብ ሎሚ ረቡዕ 81 ከምዝበፅሐ ዘፍለጠ እቲ ቢሮ ወፍሪ ክታበት ንፍዮ ድማ ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፁ:: ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ኣስገደ-ፅምብላ ለበዳ ሕማም ንፍዮ ድሕሪ ክልተ ዓመት ከምዝተርኣየ ኣተሓባባሪ ምእላይ ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ቢሮ ሓላዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣይተ ሳሙኤል ኣረጋይ ንድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም:: ዛጊድ ሸውዓተ ትሕቲ ሓሙሽተ ዕድመ ሓዊሱ 81 ሰባት ከምዝሓመሙ ኣይተ ሳሙኤል ገሊፆም:: ነቲ ሕማም ንምክልኻል ክታበት ፀረ ንፍዮ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ከምዝተጀመረን ክሳብ ዓርቢ ኣብቲ ወረዳ ክቕፅል እዩ ኢሎም:: ኣብ ወርሒ ጥሪ እውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ 100 ሰባት: ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ድማ ኣብ ልዕሊ 40 ሰባት እቲ ሕማም ተራእዩ ምንባሩ ዝገለፁ ኣይተ ሳሙኤል ነቶም ዝሓመሙ ሕክምና ከምዝተውሃቦምን ንተምሃሮን ማሕበረሰብን እተን ዩኒቨርሲቲታት ድማ ክታበት ፀረ ንፍዮ ከምዝተኸተቡ ገሊፆም:: ንሶም ወሲኾም ሕማም ንፍዮ ቅልጡፍ ሕክምና ተዘይርኺቡ ጉድኣት ኣካል ከምዘብፅሕ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ዝቐትል ሕማም ብምኻኑ እቲ ሕማም ዝተርኣዮም ብቕልጡፍ ናብ ትካል ጥዕና ከምርሑ ይግባእ ኢሎም:: እቲ ሕማም ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኤርትራውያን እውን ብለበዳነት ተራእዩ ምንባሩ ኣይተ ሳሙኤል ኣዘኻኺሮም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ምዕራብ ኦሞ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሰልፊ ኣብ ዘካይዱ ነበርቲ ብዝተኾስዎ ጥይት 6 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ምዕራብ ኦሞ ንማእሰርቲ ምኽትል ኣምሓዳሪን ሓላፊ ፀጥታን ወረዳ ማጂ ብምቅዋም ሎሚ ዓርቢ ኣደባባይ ኣብ ልዕሊ ዝወፀ ሰባት ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ተተኲሱ ብዝተባህለ ጥይት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐተሉን ካልኦት ዝቖሰሉ ኣርባዕተ ሰባት ድማ ኣብ ክትትል ሕክምና ከምዘለውን ሓላፊ ጥዕና ናይቲ ወረዳን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚልሻ ናይቲ ወረዳ ብወገኑ 12 ሰባት ምቑሳሎምን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ወዲተባዕታይን ምሟቶምን ኣረጋጊፆም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ናይቲ ወረዳ ኣቶ ከበደ ኣኩ ኣብ ዋና ከተማ ቱም ብዝተላዕለ ግጭት ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊፆም። “ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ብፍሉይ ሓይልን ምክልኻልን ብዝተተኮሰ ጥይት ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም ኣለው።ዝተቐተሉ ከኣ ኣስታት ሽዱሽተ ሰባት እዮም፤ሬስኦም ክሳብ ሕጂ ኣይተልዓለን፤ኣብኡ እዩ ዘሎ።” ነበርቲ እታ ከተማ ነታ ወረዳ ዓብዪ ኣበርኽቶ ዝገበረ ዝበሉዎ ምኽትል ኣመሓዳሪን ሓላፊ ፀጥታን እታ ወረዳ ኣቶ ጨሞ ከያ ካብ መዝነቶም ወሪዶም ምእሳሮም ብምቅዋምን ክፍትሑ ብምሕታትን ሰልፊ ምውፅኦም ሽሞም ክገለፀሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም። ሓይልታት ፀጥታ ብዘይ ዝኾነ ይኹን መጠንቀቕታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ቶኽሲ ከምዝኸፈቱ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚሊሻ እታ ወረዳ ሰለሞን መኮነን 12 ሰባት ምቑሳሎምን ካብኦም ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ሓደ ወዲተባዕታይን ከምዝሞቱ ኣረጋጊፆም። እቲ ዞባ ምስ ምክልኻልን ፍሉይ ሓይልን ብምዃን ንምርግጋእ ኣብ ምርብራብ ከምዝርከብ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ሃዋሳ ሓቢሩ’ሎ። ሚ/ወ/ጉ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ናይ ሃይማኖታት መድረኽ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ሎሚ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ናይ ሃይማኖታት መድረክ ኣብ አዲስ አበባ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም። ሚንስትር ፖምፐይ ንመሰረታዊ ኣገዳስነት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ዲሞክራሲ ብምጥቃስ ንመሪሕነት አባላት’ቲ መድረኽን ናይተን ሃይማኖታት ማሕበረሰብን ኣመስጊኖም። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይን አባላት’ቲ መድረኽን እቲ ሓባራዊ ናይ ሃይማኖታት መድረኽ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ሃናጺ ልዝብ ኣብ ምብርታዕ ዝጻወቶ አገዳሲ ተራ ብዝምልከት’ውን ብሰፊሕ ምዝርራቦም ተፈሊጡ’ሎ። መቐለ: 5.2 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መንገዲ ኣስፋልቲ ተመሪቑ ኣብ ከተማ መቐለ 5.2 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መንገዲ ኣስፋልቲ ከምዝተመረቐ ተገሊጹ:: እዚ ብምክንያት መበል 45 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተመረቐ መንገዲ ኣስፋልቲ ኣብ ኣፍደገ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝተሃነፀ ምዕሩግ ኣደባባይ ሓዊሱ እዩ። No media source currently available ኣብቲ ምረቃ መንገዲ ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረፅን ,ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ’ቲ ውድብ፡ መንግስትን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኪቦም ነይሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available 'ኢትዮጵያ ናብ መንገዲ ጥፍኣትን ምብትታንን ተምርሕ ኣላ'ህወሓት ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብምኽንያት መበል 45 ዓመት ምስረታ በዓል 11 ለካቲት፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ኢትዮጵያ ናብ መንገዲ ጥፍኣትን ምብትታንን ተምርሕ ኣላ" ኢሉ። ህወሓት ዘቕርቦ ክስታት ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግናን ሰበ-ስልጣን መንግስቲን፡ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ቁጠባዊን ማሕበራውን ፖለቲካውን ለውጥታት ከምዝተራእየ ብምግላጽ ነቲ ክስታት ክነጽግዎ ጸኒሖም`ዮም። ብኻልእ ወገን ህወሓት ብምኽንያት ለካቲት 11፡ ኣቶ ስየ ኣብርሃን ኣቶ ጌታቸው ኣሰፋን ዝርከብዎም ነባር መሪሕነት እቲ ውድብ ዝነበሩ ናይ ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት ሂቡ`ሎ:: ብኻልእ ወገን ፡ ኢትዮጵያ ክትበታተን እያ ዝብል ሓሳብ፡ ንታሪኻ ካብ ዘይምፍላጥ ዝምንጩ`ዩ ክብሉ ክልተ ነባራት ተጋደልቲ ሕወሓት ዝነበሩ ንቪኦኤ ገሊጾም። ካብ መራሕቲ ህወሓት ዝነበረ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፡ ኢትዮጵያ ናይ ኣሸሓት ዓመታት ዕድመ ዘለዋን ናይ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣህዛብን ሃገር፡ እዞም ውሑዳት ጉጅለ ከምኡ ስለዝበሉ ኣይትበታተንን`ያ ኢሎም። ካብ መስረቲ ህወሓት ሓደ ኣቶ ግደይ ዘርኣጽዮን ብወገኖም፡ ህዝቢ ሕወሓት ዘበላሽውዎ`ዩ ዘስተኻኽል ዘሎ ይብሉ። “ህዝቢ በብደርጅኡ በብመድረኹ እናተመያየጠ ንሳቶም ዘበላሸውዎ ንምስትኽኻል`ዩ ዝጉዓዝ ዘሎ። እዚ ጉዕዞ`ዚ ድማ ንዕኦም ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ስለድፍኦም፡ ዳግም ተመሊሶም ነቲ ዝሓለፈ ንምምጻእ ዝገብርዎ ጻዕሪ`ዩ። ሕጊ ተጣሒሱ፡ ሕገመንግስቲ ተጣሒሱ ይብሉና። ነገር ግን ሕገመንግስቲ ብምጥሓስ ዝፍለጡ ንሳቶም`ዮም።” ዶ/ር ኣረጋዊ ብወገኑ፡ ስለዚ እዚ ኢትዮጵያ ክትበታተን`ያ ዝብል ናይ ህወሓት ዝተበላሸወ ኣተሓሳስባ ብኣና ወገን ውዱቝዩ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል:: No media source currently available ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዝጉዓዙ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ዝካየድዎ ሓደገኛ ጉዕዞ ኣብ ከውታ ለይቲ ኣብ ጎደናታት ጅቡቲ ክጉዓዙ ዝረአዩ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዝጉዓዙ ስደተኛታት እዮም። ወዲ 35 ዓመት ኢትዮጵያዊያ ዒሳ ሓደ ካብዞም ስደተኛታት ኾይኑ ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕ ይጉዓዝ ምህላው ይገልጽ። እቲ ጉዕዞ ኣጸጋሚ’ዩ። ካብ ባህርያዊ ኩነታት ዘዕቑብሉ መጸለሊ’ውን የብሎምን።ካብ ኢትዮጵያዊን ሶማልን ተበጊሶም ለይትን ቐትሪን ንመዓልታት ተጓዒዞም ጅቡቲ ይበጽሑ። ካብኡ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ባሕሪ ብምቁራጽ ይጉዓዙ። ገለ ካብቶም ስደተኛታት ናብቲ ክበጽሕዎ ዝመደቡ ሃገር ንምብጻሕ ብመንገዲ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ይጉዓዙ ካልኦት ከም ዒሳ ዝዓመሰሉ ኸአ ዕድሎም ንምፍታን ብእግሮም ይጉዓዙ። ኣብቲ እዞም ስደተኛታት ዝጉዓዝሎም መንገዲታት እኩብ ኣእማን ዝተቐመጠሎም ገለ መቓብር’ውን ይረአዩ። እዞም መቓብር ናይቶም ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ ገማምግ ባሕሪ ከብጽሑ ዝፈተኑ ግን ዘይተዓወቱ ስደተኛታት ምዃኖም ይሕበር። ባሕሪ ኣቋሪጾም ስዑዲ ንምብጻሕ ነታ ብኹናት ትሕመስ ዘላ የመን ክሓልፉ ኣለዎ ኣብዚ ድማ መብዛሕትኦም ግዳያት ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባትን ይ ኹናት ጎይቶትን ይኾኑ። ይኹን ደአ እምበር ቁጽሪ በዚ መንገዲ ዝጉዓዙ ስደተኛታት ግን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ይውስኽ፡ ብመሰረት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዓመተ 2018 ጥራይ 150,000 ስደተኛታት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ የመን በጺሖም እዚ ምስ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓመት ክወዳደር ከሎ እቲ ቁጽሪ ብ50 ሚእታዊትይውስኽ። ኣብ ዓመተ 2019 እውን እቲ ቁጽሪ ተመሳሳሊ’ዩ። ሕልሚ እዞም ስደተኛታት ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕን ኣብ ሃገሮም ካብ ዝነብርሉ ዝነብረ ድኽነት ዝሓሸ ናብራ ንምምራሕ’ዩ።ብኣንጻር’ዚ ዋላ’ኳ ብሰላም ናብ ዝመደብዎ ቦታ እንተበጽሑ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ኣየፍቕድን ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 9,000 ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑዲ ዓረብ ተጠሪዞም’ዮም። ዒሳ ሓደ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝተጠረዙን ነዚ ጉዕዞ ንሳልሳይ ጊዜ ዝፍትን ዘሎ ስደተኛታት’ዩ።ካልእ ዓብደልዓዚዝ ዝተባህለ ድማ ነዚ ጉዕዞ ንሓሙሻይ ጊዜ የካይድ ምህላው ይገልጽ። ዒሳ ኣብ ስዑዲ ከም ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ እንዳሰርሓ ኣብ ወርሒ $530 ይረኽብ ኣብ ሃገሩ ግን ሕርሻ ጥራይ እቲ እንኮ ኣማራጺ ምዃኑን እዚ ድማ ንበዓልቲ ቤቱን ትሸዓተ ደቁን ንምምሕዳር እኹል ከምዘይኾነ ይገልጽ። መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታት ኣብ ዋና ከተማ ጅቡቲ ክጸንሑ ይገዱዱ ናብ ስዑዲ ዓረብ መሳገሪ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብ ድማ ኣብ ትሑት አታዊ ዘለዎም ስርሓት ክዋፈሩ ይግደዱ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምንዝርና ክዋፈራ ይግደዳ። ዒሳ ድሕሪ 39 መዓልታት ንመበል ሳልሳይ ጊዜ ስዑዲ በጺሑ ኣብ ሓደ ሕርሻ ስራሕ ተቖጺሩ’ሎ። ኣብዚ ንምብጻሕ ብዙሕ ሓደገኛን ኣጸጋሚን ጉዕዞ ሓሊፉ’ዩ እንተኾነ ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ዕድል ንምርካብ ነዚ ጉዕዞ ይፍጽሙ። ኢንስትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኖብል ኮሮና ቫይረስ ከይኣትውን ንምክላካሉን ቕድም ምድላዋት የካይድ ምህላው ኣፍሊጡ ሚንስትሪ ጥዕናን ኢንስትዩት ጥዕና ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ኖቭል ኮረና ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣትውን ንምክልካሉን ቅድመ ምድላዋት የካይድ ምህላው ኣፍሊጡ።እቲ ትካል ወሲኹ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምስልጣን፣እቲ ቫይረስ ኣለዎም ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ዝዓርፍሉ ማእኸላት ብምድላውን ዳህሳስ ኣብ ምክያድን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፁ። ንምርመራ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ተላኢኹ ዝነበረ በቲ ሕማም ናይ ዝተጠርጠሩ ኣርባዕተ ሰባት መርኣያ (ሳምፕል) ውጽኢት ድማ እቶም ሰባት ካብቲ ሕማም ነጻ ኮይኖም ምርካቦም አረጋጊጹ’ሎ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዘካየዶ በረራ ዳግመ ግምት ክገብር እቲ ትካል ንመንግስቲ ሕቶ ምቕራቡ ኣብቲ ኢንስቲቱት ሓላፊ ዓውዲ ምቁጽጻር ዓለምለኸ ጥዕና ዶ/ር ፈይሳ ረጋሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። “ዘድልዩ ቴክኒካዊ ዝኾኑ ነገራት ንመንግስቲ፣ንሚንስትሪ ጥዕና ኣቕሪብና ኣለና።ቁጠባዊ፣ማሕበራዊን ፖለቲካዉን መዳያት ናይቲ ሕማም ምትሕልላፍ ኩሉ ርእዩ መንግስቲ ዝብሎ ነገር ክህልው ድማ ትፅቢት ንገብር።” ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማሪያም ንናይ ቻይና ዓለምለኸ ናይ ቴሌቪዥን ኔት ወርክ ሎም ቅነ ኣብዝሃብዎ ርእይቶ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቻይና በረራ ዘቋርፀሉ ምኽንያት የለን ኢሎም። “ትካል ጥዕና ዓለም ንሃገራትን መንገድታት ኣየርን ዘውፅኦ መምርሒ ብዝተቐመጠሉ መንገዲ ኢና ንሰርሕ ዘልና፡ትካል ጥዕና ዓለም ዘቐመጦ እገዳ ጉዕዞ ስለዘየለ ናብ ቻይና እንገብሮ በረራ ደው ንምባል ምኽንያት የብልናን።” ብምትሕብባር መንግስቲ ኣሜሪካን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዝተሰርሓ ‘ኣሜሪካን ኮርነር’ መቐለ " ኣሜሪካን ኮርነር መቐለ" መናእሰይ ዝጥቀምሉ ማእኸል ሓበሬታን ቴክኖሎጂን ብዛዕባ ዘለዎ ኣገልግሎትን: መናእሰይ ድማ ካብቲ ማእኸል እንታይ ይረኽቡ ኣለዉ ዝቡል ኣዘራሪብና ኣለና:: No media source currently available እቲ ማእኸል ብምትሕብባር መንግስቲ ኣሜሪካን ዩንቨርስቲ መቐለን ዝተሰርሐ እዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምጭዋይ ተማሃሮ ደምቢደሎ ዩኒቨርሲቲ ብምቕዋም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራንን ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝተጨወዩ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ደምቢደሎ እኹል ትኹረት ኣይሃበን ክብሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ክልል ኣምሓራን ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም። እቶም ሰልፈኛታት መንግስቲ ነቶም ዝተጨውዩ ነፃ ክወፁ ግቡእ ስጉምቲ ኣይወሰደን ንሃለዋቶም ብዝምልከት ንጹር ሓበሬታ ኣይህብን ዘሎ ኢሎም። ሸልፈኛታት ካብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ባህርዳር፣ወልዲያ፣ደብረማርቆስ፣ፍኖተ ሰላም፣ደጀን፣ዳንግላን ካልኦትን ድምፆም ከምዘስምዑ ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available መራሕቲ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልያን ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም ፕ/ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ቀ/ሚንስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ሶማልን ሎሚ 27 ጥሪ፡ኣብ ኣስመራ ቤተ-መንግስቲ ተራኺቦም ስሉሳዊ ርክብ ድሕሪ ምክያዶም ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።እቶም መራሕቲ ኣብ ምምዕባል ስሉሳዊ ዝምድናታት፡ገስጋስ ኣቐዲሞም ናይ ዝተበጽሑ ስምምዓት ከምኡ’ውን ንሰለስቲኦም ሃገራት ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያት ድሕሪ ምዝታዮም’ዮም ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ዋሽንግተን: ሱሉሳዊ ልዝብ ሚንስትራት ኢትዮጵያ፤ሱዳንን ግብጺን ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ትማሊ ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን፡ ምስ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ተራኺቡ- ብዛዕባ ምዕባለታት ዝቕጽል ዝሎ ዝርርብ ዓቢ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያው`ን ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ እዋን፡ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ምትሕብባር ዝተመስረተ፡ ቀጻልነት ዘለዎን ንኹሎም ዝረብሕን ሓባራዊ ስምምዕ ክግበር ከምትድግፍ`ውን ደጊማ ተረጋግጽ ከም ዝበለ ካብ ዋይት ሃውስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ፕረዚደንት ትራምፕ ብምትሕሓዝ፡ ስለስቲኤን ሃገራት ነዚ ዕድል`ዚ ተጠቒመን፡ መጻኢ ወሎዶታተን ካብ`ዚ ኣገዳሲ ጸጋታት ማይ ተጠቀምቲ ንክኾኑ ብሓባር ንክሰርሓን ክዓብያን ክርእዩ ዩናይትድ ስቴትስ ድልየታ ምዃኑ ደጊማ ተረጋግጽ ኢሉ። ትማሊ ዝጀመረ 4ይ ዙርያ ዝርርብ ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሎሚ`ውን ቀጺሉ ውዒሉ`ሎ፡ ዝተበጽሐ ነገር እንተሎ ዛጊድ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ብኻልእ ወገን ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ኣብ`ዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ፡ ብሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ገዱ እንዳርጋቸው ዝምርሑ ልኡኻት ኢትዮጵያ ጋዜጣዊ መግለጺ ይህቡ`ለው። ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ'ታ ሃገር ኣብ ወርሒ ነሓስ ክካየድ ረቂቅ ናይ ጊዜ ሰሌዳ ኣቕሪቡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ’ታ ሃገር ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ንምክያድ ረቂቅ ሰሌዳ ጊዜ ንምይይጥ አቕሪቡ። ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ እቲ እዋን ምርጫ ምቹእ ኣይኮነን ብምባል እቲ ጊዜ ክናዋሕ ክሓቱ ከለው ገሊኦም ኸ አ ንቅድሚት ክሰሓብ ሓቲቶም ኣለው። እቲ ቦርድ ተወሳኺ መድረኽ ምይይጥ ከምዘዳሉ ገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ምስ ግብጺ ኣብ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ደቡብ ኣፍሪቃ መንጎኛ ክትከውን ጸዊዓ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ግብጺን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ መንጎኛ ክትከውን ጸዊዖም። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየድዎ ዝነብረ ዑደት ፕረዚደንት ሲራል ራምፖሳ ከም መጻኢ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ጉዳይ ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምርግጋጽ ዓብይ ተራ ክጻወቱ ይክእሉ’ዮም ኢሎም። “ ኢትዮጵያ ኩሉ ጊዜ ኩሉ ወገን ዝዕወትሉ መርገጺ ኢያ ምስ ሱዳንን ግብጺን ክትክተል ጸኒሓ። በዚ መሰረት ድማ ፕረዚደንት ራምፖሳ ከም ምስ ኢትዮጵያን ግብጺን ዘለዎም ሰናይ ምሕዝነትን ከም መጻኢ አቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየደ ዘተ መንጎኛ ኽኮኑ ንጽውዕ።” No media source currently available ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ግብጺን ሱዳንን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ምዝዛሙ ይዝከር። ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ንምምላእ’ቲ ግድብ ክተደናጉይ ክትሓትት ከላ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ 70 ሚእታዊት ተዛዚሙ ዘሎ ምምላእ’ቲ ግድብ ክዛዝም ትጠልብ። ሚንስትራት ማይን ጸዓትን ሰለስቲኣን ሃገራት ኣብ ሓደ ስምምዕ ንምብጻሕ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺቦም ኣለው። ፕረዚደንት ራምፖሳ ብወገኖም ነቲ ጉዳይ ምስ ፕረዚደትን ግብጺ ምዝዝርራቦም ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም ኣለው። ኣብዚ ናይ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዑደት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ጥዕና፡ቱሪዝምን ቴሌኮሚኒኬሽንን ዝተፈላለዩ ስምምዓት ምፍርራሞም ተፈሊጡ’ሎ። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኣብታ ሃገር ዝነብሪ ኢትዮጵያዊያን ድሕሪ ምምኽኻሮም ድማ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ አድላይ ዘበለ ሰነድ ፍቓድ መንበሩ ንክህቦም ከምዝሓተቱ ተገሊጹ'ሎ። ብተወሳኺ ፕረዚደንት ራምፖሳ ሃገሮም ኣብቲ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ካብ ዓሌት መሰረት ዝገብረ መጥቓዕቲ ከምዝከላከሉሎም ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available 'መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ዝንቀሳቀሱ ደባይ ተዋጋእቲ፣ ስጉምቲ ይውሰድ'ሎ' ታየ ደንደኣ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቀሱ ደባይ ተዋጋእቲ፣ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፓርቲ ብልጽግና ኦሮምያ ኣቶ ታየ ደንደኣ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ንሶም ወሲኾም ‘ምስ ደባይ ተዋጋእቲ ዝግበር ልዝብ የለን’ እውን ኢሎም። ንደሕንነቶም መንነቶም ክዕቀበሎም ዝመረጹ ነበርቲ ምዕራብ ክልል ኦሮምያ ‘ኣብ ኣርባዕቲኡ ዞባታት ወለጋ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ቄለም፣ ኣብ መንጎ ሰራዊትን መንግስቲን ደባይ ተዋጋእቲን ውግእ ቀጺሉ ኣሎ፣ ንሰላም’ቲ ከባቢ ከምዝዘረጎን’ ገሊጾም። ነበርቲ ወሲኾም ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ምዕራብን ቄልም ወለጋን ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርኔትን ብምቁራፁ ኣብ ስግኣት ወዲቕና ኢሎም። ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ብልፅግና ፓርቲ ኣቶ ታየ ደንደኣ መንግስቲ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ደባይ ተዋጋእቲ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ ኣረጋጊፆም። “መንግስቲ ናይቲ ህዝቢ ድሕነት ናይ ምሕላው፣ሰብ ብሰላም ወጺኡ ክኣቱ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ፣ልሊእ አማራጺ የለን።” ኣቶ ታየ ብሰላማዊ መንገዲ ተፈቲኑ ምስ ፈሸለ መንግስቲ ብሓይልታት ፀጥታ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ፤ሰብ ክቕተል ከሎ ስቕ ኢሉ ሪኡ ሽፍታ ናብ ሕጊ ይቕረብ ክብሃል ከሎ ክትንከፍ የብሉን ዝብል እንተድኣ ሃሊዩ ግን ርትዓዊ ኣይኮነን ኢሎም ።ምስ ሸፋቱ ድማ ኣይንላዘብን፤ልዕልነት ሕጊ ክነኽብር ኢና ኢሎም። ኣቶ ታየ ደንደኣ ብዛዕባ ምቁራፅ ስልክን ኢንተርኔትን ዝምልከት ግን ምስቲ ወታደራዊ ስጉምቲ ኣይራኸብን ፤ንምንታይ ከምዝተቋረፀ እውን ዝፈልጦ የብለይን ኢሎም ። ኣብ ምብራቕ ሆሮ ጉዱሩን ወለጋ መራሒ ደባይ ተዋጋእቲ ነፃነት ኦሮሞ ጉማባስ ኤብሳ ቃለ ምልልስ ምስሃቡ ከይመሓላለፍ ስለዝሓተቱ ሪኢቱኦም ምስረኸብና ክነቕርቦ ኢና ይብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ነቐምቴ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ፕረ. ዶናልድ ትራምፕ ሽልማት ኖበል ሰላም ንዕኦም ከምዝግባእ ተዛሪቦም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ መዘራረቢ ዓለም ዝኾነ ሽልማት ኖበል’ዚ ዓመት ኢድ ከምዝነበሮምን ነታ ሃገር ንምድሓን “ውዕል” ምግባሮምን ኣረጋጊጾም። ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ዝበሉ ትማሊ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ቴሊዶ ጎስጋስ ምርጫ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበረ እዋን ኮይኑ ስም ሃገር ግን ኣይረቑሑን። “ ሓደ ውዕል ጌረ። ሓንቲ ሃገር ኣድሒነ፡ ኣብ ቀረባ ድማ መራሒ’ታ ሃገር ነታ ሃገር ብምድሓኑ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ምዃኑ ሰሚዓ.... ኣነ ኢድ ኔሩኒ’ዶ? ዶናልድ ትራምፕ ሽልማት ኖበል ሰላም ንዕኦም ከምዝግባእ ተዛሪቦም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ መዘራረቢ ዓለም ዝኾነ ሽልማት ኖበል’ዚ ዓመት ኢድ ከምዝነበሮምን ነታ ሃገር ንምድሓን “ውዕል” ምግባሮምን ኣረጋጊጾም። ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ዝበሉ ትማሊ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ቴሊዶ ጎስጋስ ምርጫ ኣብ ዘካይድሉ ዝነበረ እዋን ኮይኑ ስም ሃገር ግን ኣይረቑሑን። “ ሓደ ውዕል ጌረ። ሓንቲ ሃገር ኣድሒነ፡ ኣብ ቀረባ ድማ መራሒ’ታ ሃገር ነታ ሃገር ብምድሓኑ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ምዃኑ ሰሚዓ.... ኣነ ኢድ ኔሩኒ’ዶ? እወ ፡ግን ከምኡ ክከውን ኔሩዎ። ክሳብ ኩላትና ዝፈለጥና እቲ ዘገድስ ንሱ’ዩ። ዓብይ ኹናት’የ ኣድሒነ ካልኦት’ውን ኣድሒነ’የ” ኢሎም። ኣሶሴይትድ ፕረስ ብዛዕባ መደረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝምልከት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ሓቢሩ’ሎ። ኣቐዲሞም ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ብዙሕ ርእይቶ ዘይህቡ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ገለ ወገናት ንጉዳይ ኣፍሪቃ ኣይግሰዱን’ዮም ዝብል ነቐፌታ ክቐርበሎም ጸኒሑ’ዩ። ብዙሓት ኢትዮጵያዊያን ርእይቶ ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዘደንጸዎምን ነቲ ውዕል ዝበልዎ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሓ ስምምዕ ክከውን ከምዝክእል ርእይትኦም ንኣሶሴይትድ ፕረስ ምሃቦም ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ብምፍጣር ተዓዋቲ ሽልማት ሰላም ኖበል 2019 ብምዃን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ሽልማቶም ኣብ ኦስሎ ኖርወይ ምቕባሎም ይፍለጥ። ፕረዚደንት ትራምፕ ንዓወት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይ እንኳዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ እንተዘይለአኹ ጓሎምን አማኻሪቶም ኢቫንካ ትራሞፕ ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ግን ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ምስዳዶም ይፍለጥ። ብተወሳኺ ፕረዚደንት ትራሞፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኣብ ምምዕባል ኑክሌራዊ ኣጽዋር ደው ከብሉ ንዘካየድዎ ጻዕርታት ሽልማት ኖበል ከምዝግብኦም ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ። ብምክንያት በዓል ልደት ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ መራሕቲ ሃይማኖት በዓል ልደት የሱስ ክርስቶስ ሎሚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ ውዒሉ’ሎ።ኣመንቲ ነቲ በዓል ከኽብሩ ከለው ክሓስቡሉ ዘለዎም ጉዳያት ንዝበሉዎም ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት ካብዚ ካብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ኣዘራሪብና ኣለና። ኣቡነ ፋኑኤል ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዋሽንግተንን ከባቢኣን ሃገረ ስብከት ሊቃነ ጳጳስ እዮም።። ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ግጭታት ይካየዱ ከምዘለውን ዕንወት ሃይማኖታዊ ትካላት ሓዊሱ ንዘጋጥም ዘሎ ጥፍኣት ብምዅናን ኢትዮጵያዊያን መንገዲ ሰላምን ፍቕርን ክሕዙ ምዒዶም። “ሎሚ እውን ናብ ሕሊናና ንመለስ።ኣብ ቤተልሄም ሰላም ኣሎ።ኣብ ቤተልሄም ፍቕሪ’ሎ።ኣብ ቤተልሄም ሰብን እግዝኣብሄርን ዝተዓረቕሉ... ናይ ሰላም እዋን ምዃኑ ምዝካር የድሊ እዩ።” ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኪዳነምህረት ዋሽንግተን ዲሲ ቆመስ ኣባ ኣባይነ ፍራንስዋ ብወገኖም ድልየት እግዚኣብሄር ንሰባት ምድሓን ብምዃኑ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ሰላም፣ፍቕርን ምክእኣልን ምቕዳም ከምዝግባእ ምዒዶም። ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ዘርእይዎ ምትሕጋግዝን ምትሕብባርን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም ኣብነት ክንወስዶ ኣለና ኢሎም። “ሕጂ ኣብ ሃገርና ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ክልተ ነገራት ይርኣዩ ኣለው።ቀዳማይ ነፃነት ካልኣይ ድማ ግጭት እዩ።ነፃነትና ተጠቒምና ሰናይ ተግባራት ብምስራሕ፣ሃናፂ ሓሳብ ብምምንጫው፣ብልዝብንን ብምውድዳርን ንሃገርና ምምዕባል የድሊየና እዩ።” ናይ ሜሪላንድ መድሃኔኣለም ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልጋሊ ዝኾኑ ቐሺ በሪሁን መኮነን ልደት ኩሉ ዓይነት ሰብ ናብ ክርስቶስ ዝኣከበ ናይ ሓድነት በዓል እዪ ኢሎም። ናይ ደቂ ሰባት ኣፈላላይ ከም በረኸት ብምውሳድ ሰላምን ፍቕርን ብምስፋን ኣፈላላይ ናብ ፍልጠት ምቕያር ይግባእ ኢሎም። “ልደት ካብ ነገድ፣ካብ ቋንቋ፣ካብ ዓሌት ካብ ኩሎም ህዝብታት ናብ ክርስቶስ ዝመፁ ህዝብታት ዘጠቓልል እዩ።ናብ ክርስቶስ ዝመፁ ሓደ ዓይነት ህዝብታት ኣይኮኑን።ግን ሓደ ዓይነት ህዝብታት ኣብ ውሽጢ ክርስቶስ ብኣፈላላይ፣ ብሕብረት ክነብሩ ሰፊሕን ሃብታምን ዝኾነ ትምህርቲ ዘለዎ ብስራት እዩ። “ ብወልቀ ሰብ ይኹን ብደረጃ ጎረቤትን ሃገርን ዝህልው ኣፈላላይ ፅባቐን በረኸትን እምበር ፀገም ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብ ዓለም ዘሎ ሰብ ብመልክዑ ይኹን ብቋንቁኡ ከምኡ እውን ብኣተሓሳስብኡን ኣመጋግብኡን ይፈላለ እዪ፤እቲ ቀንዲ ነገር እዞም ኣፈላላያት እዚኦም ናብ ፍልጠት ምቕያር እዩ ኢሎም። ‘ዝቕጽል ጉባኤ ክሳብ ዝካየድ እቲ ኣብ ኢህወደግ ዘሎ ቤት ምኽሪ ኣብ ብልጽግና ፓርቲ`ውን ቀጺሉ ፡ነዛ ሃገር ምምሕዳሩ ክቕጽል`ዩ’ ወሃቢ-ቃል ኣቶ ኣወል ኣብዲ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንብልጽግና ፓርቲ ናይ ኣፍልጦ ሰርቲፊኬት ኣብ ዝሃበሉ እዋን ፡ንሕጋውነት ብልጽግና ፓርቲ ብዝምልከት ወሃቢ-ቃል `ቲ ውሁድ ፓርቲ ኣቶ ኣወል ኣብዲ፡ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ ዝቕጽል ጉባኤ ክሳብ ዝካየድ እቲ ኣብ ኢህወደግ ዘሎ ቤት ምኽሪ ኣብ ብልጽግና ፓርቲ`ውን ቀጺሉ ፡ነዛ ሃገር ምምሕዳሩ ክቕጽል`ዩ ኢሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ “ዓመተ 2019 ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብተስፍኡን ርጉጽነቱን ኣብ ዘተኣማማን ክብታ ደይብና ንሳናበታ ኣሎና” ክብል ንህዝቢ ናይ ሓድሽ ዓመት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብካልእ ወገን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም 2020 ካብ ናይ ዝሓለፋ ዓመታት ብዝሓሸ ለውጢ ንርኤላ ናይ ስራሕን ህንጸትን ዓመት ክትከውን ዘለዎም ተስፋን ድሌትን ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሞጣ ንዘጋጠመ ምንዳድ መሳጊድ ብምቕዋም ሰልፊ ተኻይዱ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ከተማ ሞጣ ንዘጋጠመ ምንዳድ መሳጊድ ብምቅዋም ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ።ኣብ ከተማ ደሴ እውን ተመሳሳሊ ሰልፊ ተኻይዱ’ሎ። ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ከባቢ ፒያሳ ኣብ ዝርከብ መሳጊድ ኑር ከባቢ ጽዑቕ ሓለዋ ፖሊስን ፍተሻን ከምዝነበረ ዝሓበረ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ሙኽታት ጀማል ኣብ መንጎ ሰልፈኛታታት ፖሊስን ግን ዝተራእየ ጎንጺ ከምዘይነበረ ሓቢሩ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን ኣብ ኤርትራ ዘውፍሮ ዕድላት ኢንቨትመንት ሰራሕ ኣብ ምፍጣር ጽልዋ ክህልዎ ተስፋ ይገብር ኤርትራ ክሳብ 5 ሚእታዊት ዝበጽሕ ቁጠባዊ ዕብየት ከምእተመዝግብ ዝገለጸ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን፡ ንኤርትራ መበል 24 ኣባል ሃገር ጌሩ ከምዝተቐበላ ኣፍሊጡ `ሎ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት መሰረተ-ልምዓታት፡ ወፍሪ ብምግባር ዝፍለጥ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን (AFC) : ንኤርትራ መበል 24 ኣባል ሃገር ጌሩ ድሕሪ ምቕባል፡ ብፍላይ ኣብ ማዕድን ፖታሽ ዳናኪል፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኣውፊሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። “ኤርትራ ሰፊሕ ሃብቲ ማዕድን ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ ሓደ ኻብኦም ድማ ኣብ ዳናኪል ዝካየድ ዘሎ ናይ ፖታሽ ዕደና`ዩ- እዚ ማዕድን`ዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ደረጃ ዝሓዘ ዓይነት ፖታሽ ስለዝኾነ ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ዘለዎ ዓለማዊ ጠለብ ኣብ ግምት ብምእታው ኣባና ክትከውን ሓቲትና ኤርትራ ድማ ተቐቢላቶ።” ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ኤርትራ ወፍሪ ኣብ ዝገብረሉ እዋን ጉድለት መሓውራት ዲሞክራሲ ትኹረት ከምዘይገብረሉ ዝገልጽ ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን፡ ኣብታ ሃገር ዘካይዶ ድጋፍ ምምዕባል ትሕተ-ቅርጺ፡ ንመንእሰያት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ናቱ ዝኾነ ጽልዋ ከምዝህልዎ ኣፍሊጡ። ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ኣፍሪቃ ፋይናንስ ኮርፐረሽን፡ ኤኒ ኡሩዋ ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሰለስተ ውድባት ኣብ ጉባኤ'ፈደራልሲት ፎረም' ተዓዲምና ግን ክንሳተፍ ኣይመረጽናን ይብሉ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ `ፈደራልሲት ፎረም` ተዓዲምና ግንክንሳተፍ ኣይመረጽናን ዝበሉ ሰለስተ ውድባት ነናቶም ምኽንያታት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ናብ`ቲ ጉባኤ ዘይተዓደመ ተቓዋሚ ውዱብ ዲሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ : ሕወሓት ተሓላቒ ፈደራሊዝም ክኸውን ኣይክእልን`ዩ ይብል። ኣብ ጉባኤ መቐለ፡ ተዓዲምና ግን ኣይተሳተፍናን ዝበሉ ሰለስተ ውድባት፡ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን:ከምኡ`ውን ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ`ዮም። ፕረዚደንት ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ አቶ አብደራሕማን ማሕዲ፡ እንተተዓደምና`ውን ኣብ`ቲ ጉባኤ ኣይተሳተፍናን ይብል። ይኹን`ምበር ናትና ኣምሲሎም ጽሒፎም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝዘርግሕዎ ደብዳበ ናትና ኣይኮነን-ንኻልእ ግዜ ከምኡ ንኸይደግሙ ውዱቕ ጌርናዮ ኣለና ይብል፡- “ናትና ኣምሲሎም ዝጸሓፍዎን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተበተነን ደብዳቤ፡ ናይ ሓሶት`ዩ። ንሕና ደብዳበ ኣይጸሓፍናን ይኹን`ምበር ሕወሓት ዓዲሙና ኔሩ`ዩ። ነቲ ዕድመ ስለዘይተቐበልናዮ ግን ኣይንሳተፍን ኢና ኢልና ነጊርናዮም ኢና” ድሕሪ ምባል ናብ ጉባኤ መቐለ ክንከይድ ኣይደለናን- ንኸደሉ ምኽንያት`ውን የለን ኢሉ። “ምስ ሕወሓት ዝነበረና ታሪኽ ዝፍለጥ`ዩ። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተቐቲሎምና ካልኦት ብዙሓት ንስቓይን ኸርተትን ተቓሊዖምና`ዮም። እንታይ ክንገብር ኢና ናብ መቐለ ንኸይድስለዚ እቲ ደብዳቤ ሓሶት`ዩ- መርገጽና ብዝፈልጡ ሰባት ኮነ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ`ዩ። ጽባሕ`ውን ብተመሳሳሊ ዘይበልናዮ ከምዝበልናዮ ጌሮም ንኸይጽሕፉ ኢና ንነጽጎ ዘለና።" ካልእ ኣብ ጉባኤ መቐለ ኣይተሳተፍኩን ዝበለ ውድብ ድማ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ`ዩ።ኣቦ-መንበር ኦፌኮ ዶ/ር መረራ ጉዲና፡-ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ስለዝበዝሕ ኣይተሳተፍናን ይብል ። “ዕድመ ተገይሩልና`ዩ። ናብ መቐለ ተጋቢዝና ኢና። ኣብ`ዚ ዙር`ዚ ግን ኣይተሳተፍናን።በዚ ዘሎ ኩነታት ነቲ ዘሎ ፍልልያት ንምስፋሕ ግዚኡ ኮይኑ ስለዘይተሰመዓና፡ከምኡ`ውን ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ከምዝን ስለዝኽእል ክንሳተፍ ኣይመረጽናን። ስለዚ ኣብ`ቲ ጉባኤ ኣይተሳተፍናን- ጸብጻብ`ውን ኣይረኣናን” ። ካልእ ሳልሳይ ናብ`ቲ ጉባኤ መቐለ ዕድመ ቀሪብሉ ግን ከም ዝነጸጎ ዝገልጽ-ግንባር ሓርነት ኦሮሞ-ኦነግ `ዩ፡ ሚካኤል ቦረንኣባል ፈጻሚ ስራሕ ኦነግ `ዩ። ኣብ ግዜ ሕወሓት ብዛዕባ ዝወረደና ጉድኣት ክሳብ ዘይተዘራረብና ኣብ ከምኡ ዓይነት ኣኼባ ክንርከብ ትኽክል ኣይኮነን ይብል።- “ነቲ መጸዋዕታ ዘቕረቦ ሕወሓት ስለዝኾነ፡ ምስ ኦነግ ዘለዎ ርክብ ድማ፡ ኣብ 1992 ኦነግ ካብ ቻርተር ካብ ዝወጻሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ኩናት ከምዝነበርና ይፍለጥ`ዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ውድብ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱና`ዩ። ህዝብና ከምኡ ጉድኣት በጺሕዎ`ዩ። ነዚ ኩሉ መጀመርያ ተሓታቲ ንኢህወደግ ዝመርሕ ዝነበረ ሕወሓት`ዩ። ስለዚ ኣብ`ቲ ጉዳይ ክሳብ ዘይተዘራረብና ኣብ`ቲ ኣኼባ ክንርከብ ቅኑዕ ኣይኮነን” ። ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ዓረና ትግራይ፡ ደሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ፡ ደሞክራሲያዊ ፓርቲ ዓሲንባን፡ ኣብ`ቲ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ጉባኤ ሓይልታት ፈደራሊስት ዝተባህለ መደረኽ ኣይተዓደሙን። ኣብ`ቲ መድረኽ ዝተሓተቱ ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል፡ ስለምንታይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ውድባት ፖለቲካ ዘይተዓደሙ ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ኔሩ። ሕገ-መንግስቲ ዘይቅበል ዝኾነ ውድብ ኣይዓደምናን ዝብል ምላሽ ድማ ሂቡ። ብዛዕባ`ዚ ንምኽትል ኣቦ-መንበር ደምክራሲያዊ ምትሕብባር ኣቶ ግደይ ዘራጽየን ሓቲትናዮ ኔርና፡ ህወሓት ዝህቦ ዘሎ ምኽንያት ካብ ጸረ-ደሞክራሲ ተፈጥሩኡ ዝብገስ ሓንካስ ምኽንያት`ዩ ዝብል ምላሽ ዝሃበ ኣቶ ግደይ ካብ መስረቲ ህወሓት ኣቶ ግደይ ዘርኣጽየን፡ ንሕና ናይ ኢትዮጵያ ኾነ ኽልል ትግራይ ፈደራላዊ ስርዓት ንቃወም ኣይኮናን፡ እኳ ደኣስ ነዚ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ተገዚእና ንንቀሳቐስ ዘለናን ንክሕሎ ንቃለስ ዘለናን ውድባት ኢና ኢሉ። “ ውሁድ ፓርቲ ምፍጣር ማለት ፈደራላዊ ስርዓት ምቅዋም ማለት ኣይኮነን። ህወሓት ግን ፈደራላዊ ስርዓት ቅድሚ ሎሚ ዘየኽበሮ ሎሚ ከኽብሮ እንተበለ ዘይጠባዩ እዩ።” እቲ ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ኣብ መቐለ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ፡ `ምድሓን ሕገመንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን` ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ በዓል ሓሙሽተ ነጥቢ መርገጺ ብምውጻእ ተዛዚሙ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ቀ/ሚ ሱዳን ዓበደላ ሓምዶክ፡ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ዘትዩ ሎሚ ኣስመራ ዝኣተወ ናይ ሱዳን ቀዳማይ ሚንስተር ዓበደላ ሓምዶክ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ክልቲኣዊ ዝምድና፡ ብዛዕባ ምዕባለ መስርሕ ስግግር ሱዳን፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ምዝታዮም ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ። ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ጥዕናን ትምህርትን ሽርክነቶም ንምሕያል ከም ዝተሰማምዑ`ውን ጠቒሱ። ብቀ/ሚንስተር ሱዳን ዓበደላ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ሚንስተራት ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ውሽጢ ሃገር፡ መጓዓዝያን ትሕቲ ቅርጺን ዝሓቖፈ`ዩ። ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ሱዳን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝተቐበሎ፡ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብ`ዩ። ክትዕ ኣብ ጉዳይ 'እዋናዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ' (1ይ ክፋል) ‘ሰለስተ ኣባል ፓርቲታት ኢህወዴግ ሓደ ውሁድ ሃገራዊ ፓርቲ ንምምስራት ዘሕለፈኦ ውሳነ፣ ትጽቢት ዝግበረሉ፣ እንተኾነ ሕጋዊ ምስሕሓባት ከምዘስዕብ’ ኣቶ ግደይ ዘረኣጽየን ገሊጹ። ‘ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ ኣለዎ’ ዝብል መርገጺ’ውን ኣለዎ ኣቶ ግደይ ዘረኣጽየን። ‘ውህደት ባዕሉ ኪኢሉ ጸገም ኣይኮነን’ ዝብል ኣባል መሪሕነት ባይቶ ዓባይ ትግራይ ተሓጋጋዚ ፕሮፈሰር ኣብራሃ ተኽሉ ብወገኑ ‘ካብ ሕገ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ተበግሶ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ከምዝኾነ’ ይዛረብ። ‘ምርጫ ኣብ እዋኑ እንተዘይ ተፈጺሙ፣ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ጸግም ክሽብባ ከምዝኽእል’ውን’ ይዛረብ። No media source currently available ህወሓት ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ከምዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ ‘ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ፣ ንናይ ውህደት ኣጀንዳ ተመያይጡ ንክውስን ሕጋዊን ፖለቲካዊ ስልጣን ከምዘይብሉ’ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣፍሊጡ። ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ናብ ቤት ጽሕፈት ኢህወዴግ ብመሰረት ሎሚ ዝላኣኾ ደብዳቤ ‘ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ውጽኢት መጽናዕቲ ንክዘራረብ ዝሓዞ መደብ ንጎኒ ገዲፉ፣ ናብ ውህደት ንሳገር ብዝብል ሕጋዊነት ዘይብሉ ውሳነ ብቤት ምኽሪ ንክድገም ይሰርሕ ከምዘሎ’ ገሊጹ። ‘ብውህደት ኣሳቢብካ ንህወሓት ንምፍራስ ዘኽእል ሕጋዊ ስልጣን ስለዘይብልና፣ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ተሳቲፍና ንናይ ህወሓት ምውሃድ ክንውስን ኣይንኽእልን’ ይብል ቤት ጽሕፈት ህወሓት። ‘ብመሰረት’ዚ፣ ዕጻ ህወሓት ዝውሰን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዘለው ብዘካይድዎ ምይይጥ፣ ብጉባኤ ህወሓት ስለዝኾነ፣ ህወሓት ኣብ’ቲ ኢህወዴግ ንሓሙስ ዝጸወዖ ኣኼባ ኣይትሳተፍን ኢሉ’ ኣሎ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ናብ ኢህወዴግ ኣብ ዝላኣኾ ደብዳቤ። ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ክገብሩ ዝቐነዩ መራሕቲ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ: ብዛዕባ ኩነታት ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ቃለ-መጠይቕ ይህቡ ካብ ኤርትራ መጺኦም ኣብ`ዚ ኣብ ኣሜሪካ ዑደት ክገብሩ ዝቐነዩ መራሕቲ ሲኖዶስ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኤርትራ: ብዛዕባ ኩነታት ፓትሪያርክ እንጠንዮስ ንድምጺ ኣሜሪካ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ሂቦም። እቲ ብዋና-ጸሓፊ ሲኖዶስ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ዝምራሕ ሰለስተ ኣባላት ዘለዎ ልኡኽ፡ እቶም ፓትሪያርክ ዘለውዎ ኩነታት ብማሕዩር ኮነ ብማእሰርቲ ደረጃ ክግለጽ ዝግባእ ኣይኮነን ኢሎም። ንሳቶም ነዚ ምላሽ ዝሃቡ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ፓትርያርክ ካብ ማሕዩር ወጺኦም ናብ ስልጣኖም ይመለሱ ዝብል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዱ`ዩ። ምስቶም ጳጳሳት ዝተኻየደ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ትካል ግብረ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ ዘሪሁን 100 ተማሃሮን 65 ኣዴታትን ኣብ ምሕጋዝ ይርከብ ትካል ግብረ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናትን ኣርኣያ ዘሪሁን ብሰናይ ተበግሶ ተማሃሮ ኤምኣይቲ ዝተጣየሰ እዩ። እዚ ትካል ግብረ ሰናይ ቅድም ኢሉ ብደረጃ ክለብ ተጀሚሩ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብ መወዳእታ 2007 ዓ.ም ግን ትካል ኮይኑ ብዕሊ ምጥያሹ ብወለንተኛ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል ኣይተ መዝገበ መሓሪ ገሊፆም። ትካል ግብረ ሰናይ ኣዴታትን ህፃናት ኣርኣያ ዘሪሁን ኣመልኪተ ምስ ወለንተኛ ኣካያዲ ስራሕ ኣይተ መዝገበ መሓርን ገለ በቲ ገባሪ ሰናይ ተሓገዝትን ዝኮኑ ዝገበርኩዎ ዕላል ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ ምስ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ክልል ኢትዮጵያ ኣቶ ርስቱ ይርዳው ምስ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ሬይነር ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተራኺቦም ተዘራሪቦም። ልዝብ ኣቶ ርስቱ ይርዳውን ኣምባሳደር ማይክል ሬይነርን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ልምዓትን’ቲ ክልል ዘተኾረ ምንባሩ’ውን ተገሊጹ’ሎ። እቶም ምኽትል ኣመሓዳሪ ደቡብ ክልል ምስ ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ኣብ ዘካየድዎ ልዝብ ኣብ ጉዳያት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፡ መዳያት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሓለዋ ከባቢ ልምዓት፡ ኣርባሕቲ ከብቲን በአሜሪካ ኣብ ዝድገፍ ጉዳያትን ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተሰማምዕ ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ’ቲ ክልል ኣቶ ፍቅሬ አማን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ተዓጽዩ ዝነበረ መስመር ኢትዮጵያ ጅቡቲ ተኸፊቱ ብምኽንያት ምንቅስቓስ ተቓውሞ ትማሊ ተዓጽዩ ዝነበረ መስመር ኢትዮጵያ ጅቡቲ ሎሚ ከምዝተኸፍተ ተገሊጹ። ክልላት ሶማሌን ዓፋርን ኣብ ዝዋሰንሉ ቀበሌታት ብምኽንያት ናይ ይግብኣኒ ሕቶታት፡ ግጭት ካብ ዝደጋገመሎም ስፍራታት ሓደ ኣብ ዝኾነ `ሲቲ` ዝተባህለ ወረዳ ዝነብር ሓደ ሰብ ንድምጺ ኣሜሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ለንቅነ ወሪዱና ዝበልዎ ጉድኣት ንኽፍለጠሎም ነቲ መስመር ከምዝዓጸውዎ ተዛሪቡ። እቲ ጽርግያ ኮነ መንገዲ ባቡር ሎሚ ብሰራዊት ምክልኻል ተኸፊቱ ስሩዕ ስርሑ ቀጺሉ`ሎ ዝበለ ተወላዲ ብሄረ ዓፋር ብወገኑ፡ ክልቲኦም ክልላት ዝሰሓሓብሉ ቀበሌታት ተኻሊሉ ስለዘይተዛዘመ ግጭታትን መሰል ክስተታትን ይዕድም ምህላዉ ኣዘኻኺሩ። እዚ ናይ ትማሊ ናይ መንገዲ ምዕጻው ዝስማዕ ዘሎ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ካብ ብሄራት ዓፋርን ሶማሌን ዝተዋጽኡ ተወከልቲ ኣብ ከተማ ገዳማይቱ ናይ ሰላም ጉባኤ ምክያዶም ብማዕከናት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ ሰዓት`ዩ። ተመሳሰልቲ ናይ ሰላም ጉባኤታት ከምዝካየድ’ ውን ተሓቢሩ`ሎ ። ‘ምድማር’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኢትዮጵያ ተመሪቑ ኢትዮጵያ ካብ ሰውራዊ ዴሞክራሲ ትወፅእ ከምዘላ ዝገልፅ ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝተጻሕፈ ‘ምድማር’ ዘርእስቱ መጽሓፍ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ተመሪቑ’ሎ። እቲ መፅሓፍ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክግለፅ ዝጸንሐ ናይ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ናይ መንግስቶምን ቀፃሊ ኣንፈት ወግዓዊ ጌሩ’ሎ። ‘ምድማር’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ሃረር፣ኣዳማ፣ሃዋሳ፣ባህርዳርን ካልኦትን ከተማታት ተመሪቑ’ሎ ። ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ንትኽተሎ ናይ ቁጠባ፣ፖለቲካ፣ናይ ወፃኢ ርክባትን ኣንፈት ዝትንትን መንገዲ ዝሕብርን እዩ።ኣብ እዋን ስልጣን ዘመን ኢህወዴግ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ዝነበረ ወያናይ ዴሞክራሲያዊ መስመር ከምዝተርፍ ተሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚሊኒየን ኣዳራሽ ኣብ ዝተዳለወ ስነርስዓት ምረቓ ናይቲ መፅሓፍ መደረ ዘስምዑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ሰውራዊ ዴሞክራሲ እዋኑ ዝሓለፎን ነዚ ዘመን ዘይምጥን እዩ ኢሎምዎ። “ሎሚ ንሰሓሐበሉ ዘለና ሰውራዊ ዴሞክራሲ ሌኒን ቅድሚ ሓደ ሚእትን ሓደን ዓመት ኣብ 1917 ዝፈጥሮ እዩ።ሌኒን ሰውራዊ ዴሞክራሲ ክፈጥር ከሎ፣ማርክስ ሶሻሊዝም ክምህዝ ዝኽእል ካፒታሊዝም ምስወደቐ እዩ ዝበሎ ኣረዳድኣ ስለዝነበረ፣ ሽዑ ድማ ኣብ ሩሲያ ስርዓት ካፒታሊዝም ስለዘይነበረ፣ካፒታሊስዝም ከይረኣና ብኣቋረጭ ሶሻሊዝም ዝህነፀሉ መንገዲ ሰውራዊ ዴሞክራሲ እዩ ኢሉ።ንሕና ድማ ስርዓት ካፒታሊዝም ዝህነፀሉ መንገዲ ሰውራዊ ዴሞክራሲ እዩ ኢልና።” ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መደርኦም ብምቕፃል ክልቲኦም ሓሳባት ነንባዕሎም ዝራፀሙ ጥራሕ ዘይኮነስ ሌኒን ሽዑ ኮምፒተር ኣይፈልጥን፣ሌኒን ዘይፈልጦም ሎሚ ዓለም ዝፈጠሮ ብዙሕ ነገር ኣሎ ኢሎም።እዚ ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ሓዱሽ ሓሳብ ምፍጣር ንኩሎም ወለዶታት ዝውሃብ እምበር ኣብ ሓደ እዋን ዝተፈጠረ ሓሳብ ንዘለኣለም ክትስዕቦ ግቡእ ኣይኮነን “ምድማር’’ ድማ ነዚ ይኣምን ኢሎም።” ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ “ምድማር’’ ሃገር በቀል ኣተሓሳስባ እዩ እውን ኢሎም። “ብዙሓት ኣብ ውሽጢ እቲ መፅሓፍ ዘለው ሓሳባት ብምርኣይ ‘ምድማር’ ከመይ ገይሩ እዩ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቦቐለ ክብሃል ዝኽእል ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ይኽእሉ።ምድማር ሃገር ቦቀል እዩ።እዚ ክብሃል ከሎ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር፣ናይ ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ፣ሓንቲ ሃገር ካብ ዝኣተወቶ ላዕልን ታሕትን ብፖለቲካን ኢኮኖሚን መሰጋገሪ ክኸውን እዩ ዝብል ክሳብ ሎሚ ዝቐረበ ምሉእ ሓሳብ የለን።” መደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ህውሓት ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ንዝበሎም እውን ዝመለሱ ይመስል።ህውሓት ውህደት ፓርቲ ንምፍፃም እናተኻየደ ዝርከብ ናይ ምህፃፅ ምንቅስቓስ እዩ፤እዚ ነቲ ግንባር ዘፍርስን ንሃገር ዝብትንን እዩ ንዝበሎ መግለፂ ህውሓት መልሲ ዝመስል መደረ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ትርር ዝበለን ካብቲ ልሙድ ዝተፈለየን ነይሩ። “እቲ ዘሕዝን ‘ምድማር’ ፍልስፍና እንተኾይኑን እቲ ፓርቲ እንተድኣ ተዋሂዱን ናብ ህልቂት ክንኣትው ኢና ዝብል ምህላው እዩ።ህልቂት ኣብዚ እንታይ ኣምፅኦ?ሓደ ፓርቲ ምዃንን ምድማርን ዘየዋፅእ እንተድኣ ኮይኑ ጅግና ዝኾነ ሰብ ነቲ ይሰትዮ ዘሎ ውስኪ ኣቐሚጡ ምርባሕ ዝብል ሓሳብ ሒዙ ይመፅእ።ሽዑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኽልቲኦም አማረፂታት ርእዮም ዝደልዩዎ ይሓሪዩ!! እንታይ ዘቃትል ኣለና!! እንታይ ዘቃትል ኣለና!! ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን?ኣነ ዝበልኩዋ እንተዘይኮይና እቲ መማረፂ ምቅትታል እዩ ዝብል ናይ መበል 19 ክፍለዘመን ናይ ማርክን ሌኒን እምነት እዩ።ምድማር በዚ ኣይኣምንን።” ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ መደረኦም ይስምዑ ዘለው ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ንህዝቢ ካብ ምሕላይ ዝልዓሉ ኣይኮኑ እውን ኢሎም ። “ምድማር ስርቂ ቀይሕ መስመር እዩ ዝበለሉ ምኽንያት ብሽምካ፣ብኣኮ፣ብሓትኖ፣ብገለ መለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንጻ እናሃነፅካ ኣብ ዱባይ፣፣ኣውሮጳ፣ኣብ ኣሜሪካ ህንጻታት እናሃነፅካ፣50 ሚሊዮን መፅለሊ ቤት ኣልቦ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ሃገር፣ንስኻ ብሽም 10 ሰባት ህንጻታት ደርዲርካ ብዛዕባኻ እየ ዝሓስብ ክትብል ላግጺ እዩ።ብሓሙሽተ ሽሕ ደመወዝ ሙሉእ ዓመት ኣብ ሆቴል እናነበርካን እናተቐለብካን እቲ ምንጪ ኣምላኽ ይፍለጦ፣ ባኒ ንዝስኣነ ህዝቢ ንዓኻ እየ ደው ኢለ ክትብል ፅውፅዋይ እዩ።” መፅሓፍ ምድማር ኣብ ከተማታት ድሬዳዋ፣ሃረርን ጂግጂጋን እውን ተመሪቑ’ሎ።ብፍላይ ኣብ ከተማ ሃረር ሓላፊ ፕረስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ዝኾኑ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁንን ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ኣቶ ሙስጠፌ መሓመድን ኣብዝተረኸብሉ እቲ መፅሓፍ ተመሪቑ’ሎ። ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዋና ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ሚንስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል ተዓዋቲ ሽልማት ሰላም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ መፅሓፎም ምምራቕ ድርብ ዓወቱ እዩ ኢለን። ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ መደረ ዘስምዑ ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ውሽጥና ዘለው ኣፈላላያት ብምፅባብ ህዝቢ ዝደልዮ ንምምፃእ ናይ ምድማር ፍልስፍና ካብ ክልልና ክንጅምር ኣለና ኢሎም። “ንኻልኦት ኢትዮጵያዊያን ኣብነት ክንኸውን እንተድኣ ኮይንና ኣብ ውሽጥና ዘለው ፖለቲካዊ ፍሕፍሓት ብምፅባብን ሓደ ኮይንና ብምስራሕን ህዝቢ ኣምሓራ ዝደልዮ ንምምፃእ ኩሉ ፃዕሪ ክንገብር ኢና።ናይ ምድማር ፍልስፍና ካብ ክልልና ክንጅምር ኣለና።” ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ወሲኾም እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ክነዕውቶ ኢና ዝብል ተስፋ ኣለኒ ኢሎም። እቲ መፅሓፍ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ኦሮምኛን ብኢንግሊዝኛን እዩ ተሓቲሙ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available 'ህውሓት ብተደጋጋሚ ይህቦ ዘሎ መግለጺታት ዝተጋገዩ እዮም' ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ህውሓት ብተደጋጋሚ ይህቦ ዘሎ መግለጺታት ዝተጋገዩ እዮም ኢሉ ።ናይ ህውሓት መግለፂ ንናይቲ ውድብ ኣሰራሓን ዲሲፕሊንን ዝጠሓሰ ከምዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ሎሚ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ። እቲ መግለፂ ንዝተጋገዩ መግለጺታት መልሲ ምሃብ ኣድላይ ብዘይምንባሩ ብስቕታ እንተተሓለፈ እውን ጌጋ ሓበሬታታት ብተደጋጋሚ ክወፁ ከለው ዕሽሽ ምባል ኣብቲ ህዝቢ ምድንጋራት ስለዝፈጥር ሓፈሻዊ መረዳእታ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ ይብል ። ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ህውሓት ኣብ መግለፂኡ ውህደት ውድባት ኣሃዳዊ መንግስቲ ብምምስራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባዕሎም ብባዕሎም ናይ ምምሕዳር መሰሎም ከምዝምንጥል፣ፈደራላዊ ስርዓት ፈሪሱ ኣሃዳዊ ስርዓት ከምዝምስረትን ዘቕረቦ ሓሳብ ጭቡጥ ዘይኮነ መደናገሪ ሓሳብ እዩ ክብል ነቒፉዎ’ሎ ። ኣብ ከተማ መቐለ ንጾታዊ መጥቓዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምቕዋም ዝተመደበ ሰልፊ ተከልኪሉ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝኻየድ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንምቅዋም ኣብ ዝመጽእ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ተተሊሙ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ምምሕዳር’ታ ከተማ ምክልካሉ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ይገልጹ:: ንሶም ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ድልው ከምዘይኮነ ዘርኢ እዩ ይብሉ:: ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብወገኑ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሓላፍነት ዝወስድ ትካል ክህሉ ኣለዎ ኢና ዝበልና እምበር ኣይከልከልናን ኢሉ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ናብ ልምዓት ተዋፊሮም ሰሪሖም ዝነብርሉ ቕድመ ምድላዋት ከምዝተዛዘሙ ተሓቢሩ። ምኽትል ዳይሬክተር ኤጄንሲ ንጉዳይ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ኣቶ አዲሱ ወልቤሳ ስደተኛታት ሰሪሖም ርእሶም ዝኽእልሉ ባይታ ንኽፍጠር ንሰርሕ ኣለና ኢሎም። ኣብ ቀረባ ንስደተኛታት ምልከት ዝወጸ አዋጅ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ከም ኹሉ ነባሪ’ታ ሃገር ስራሕ ፈጢሩ ወይ ተቖጺሩ ክሰርሕን ናይ ትምህርቲ ዕድል ከምዝረኽብን ኸምኡ’ውን ካብ መዓስከር ወጻኢ ክነብረሉ ዝኽእል ዕድላት ይጣጣሕ ኣሎ ኢሎም። ማዕከላይ ኮሚቴ ህውሓት ስሩዕ ኣኼብኡ ጀሚሩ ማዕከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሰሩዕ ኣኼብኡ ትማሊ ጀሚሩ:: ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጀመረ እቲ ኣኼባ ንኣርባዕተ መዓልታት ከምዝጸንሕ ተፈሊጡ’ሎ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኦዲፓን ኢዜማን ዝፀንሐ ቅርሕንት ብምልዓል ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ይፅዕሩ ኣለው ንዝበልዎም ሓይልታት ኣውጊዞም ፓርቲ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ እቲ ለውጢ ዝተረኸበ ብምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዝዘንግዑ፣ ዝፀንሐ ቅርሕንት ብምልዓል ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ይፅዕሩ ኣለው ዝበሎም ሓይልታት ኣውጊዙ። ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ እውን ተመሳሳሊ መግለፂ ኣውፂኡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available 'ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ምስ ዘሎ ሓይሊ ንገብሮ ኹናት አማራጺ ብምስኣና ሕጊ ንኸነኽብር ተገዲድና ዝአተናዮ’ዩ' ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ምስ ዘሎ ሓይሊ ንገብሮ ኹናት አማራጺ ብምስኣና ሕጊ ንኸነኽብር ተገዲድና ዝአተናዮ’ዩ ክብሉ ምኽትል ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ምክልካል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም። ጀነራል ብርሃኑ ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ መንግስቲ ድልው’ዩ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም መንግስቲ ነቲ ጸገም ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሖ’ዩ ብዝብል ኣርባዕተ ወርሒ ምሉእ ስቕ ኢሉ ክዕገስ ከሎ ንሳቶም ግን ተወዲቦም ነቲ ከባቢ ተቆጻጺሮም ኔሮም ኢሎም። "ደሓር ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ይሰራሕ ተባሂሉ፡ እቲ ስራሕ ምስተተግበረ ሎሚ ወለጋ ናጻ ወጺኡ’ሎ። ናብ ንቡር ተመሊሱ’ሎ። ሕጂ ዘሎ ጸገም ፍርቂ ኢዱ ሂቡ’ዩ ፍርቂ ተማሪኹ’ዩ። ፍርቂ’ውን ኣብ ኹናት ዘጋጥም ሞት አጋጢምዎ’ዩ። ብኹናት ደረጃ ምንቅስቃስ ግን የለን።” ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሰላም ከተማ ሃዋሳ ንምምላስ ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ ከተማ ሃዋሳ ናብቲ ቅድሚ እቲ ናይ ወርሒ ሓምለ ህውከት ዝነበረ ሰላምዊ ኩነታት ንኽትምለስን ልዕልነት ሕጊ ክኽበርን ዝምልከት ልዝብ ኣብታ ከተማ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ መራሕቲ ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ምምሕዳር እታ ከተማን ዝተሳተፍሉ እዩ። “ውሑድ ዘይበሃል ሌባ ኣብ ከተማና ኣሎ።ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ኣስታት 400 ዘረፍቲ ተታሒዞም ኣለው።በብመዓልቱ ዜጋታት ከይንቀሳቐሱ፣ደቂ ኣንስትዮ ተረጋጊአን ከይጉዓዛ፣ቦርስአን፣ሞባይል ስልከን ዝምንጠላሉ ኩነታት’ሎ።ኣብዚ ንሰርሕ ኣለና።ብመዳይ ሕጊ ዘሎ ክፍተት ንርእዮ ኣለና።” ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ድሮ በዓል ኢሬቻ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ተጸንቢሉ አብ ከተማ አዲስ አበባ መስቀል ኣደባባይ ሎሚ ዓርቢ ስነ ስርዓት ድሮ በዓል ኢሬቻ ምክያዱ ተፈሊጡ። ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን መንግስትንቲ፣ኣባ ገዳታትን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝመፁ ተሳተፍትን ተረኺቦም ኔሮም። ኣብቲ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዑ ምኽትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ኢሬቻ ክተኽብር ከላ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ብምዃናን ናይ ኩሎም ክትኸውን ካብ ዘሎ ድልየትን እዩ ኢሎም። ዝተፈላልየ ባህላዊ ምርኢታት ኣብቲ ጽንብል ቐሪቦም።4 ሽሕ ሜትር ወይ ኣርባዕተ ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ጩኮ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ኦሮሞ ባህላዊ መግቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ባህላዊ ማእኸል ኦሮሞ ሎሚ ንምርኢት ቀሪቡ’ሎ። ጩኮ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ንመርዓን ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ዝቐርብ ካብ ጠስሚ፣ስገምን ዝተፈላለዩ ቕመማትን ዝስራሕ ባህላዊ መግቢ እዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ሓው ንዝኾነ ህዝቢ ኦሮሞ እንዃዕ ኣብፀሐካ ክብል መግለፂ ኣውፂኡ። እቲ መግለጺ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ንዘመናት ሓቢሩ ዝነበረን ሕማቕን ፅቡቕን ዘሕለፈን ብመውስቦ ዝተኣሳሰረን ህዝቢ ኮይኑ ኣብቶም ዝሓለፉ 50 ዓመታት ግን ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ናይ ጨቋንን ተጨቋንን ከምዝነበረ ተገይሩ ብምቕራቡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ዝነበረ ፅኑዕ ምትእስሳር ንክልሕልሕ ተሰሪሑ እንተኾነ እዚ ውን ኣይተዓወተን ይብል። ኣብ ምክልካል ጎዳእቲ ልምድታት ዘተኾረ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ደሴ ተኻይዱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአዩ ጎዳእቲ ልምድታት ንምክልካል ጻዕሪ እንተተገብረ’ዃ ከምቲ ዝተመደበ ፍረ ከምዘይተረኽበ ይግለጽ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ጉዳያት ትሕቲ ዕድመ መርዓን ምክንሻብ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ንኽውገድ ዘኽእል ፍኖተ ካርታ(road map)ብሚንስተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን መንእሰያትን ተዳልዩ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ከተማ ደሴ ምስ ዝምልከቶም አካላት መድረኽ ምምይጥ ተኻይዱ ኔሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ጎዳእቲ ልምድታት ሎሚ’ውን ስግ ኣት ካብ ምዃን ኣየቋረጹን።ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ጾር ሓዳርን ስድራን ይሽከማ ኣለዋ ክብሉ አማኻሪ ሚንስትር ጉዳያት ህጻናትን መንእሰያትን ደዊ ኣንስትዮ ኣቶ መብራህቱ ይመር ይገልጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ከተማ መቐለ ነባሪ ሰላም ንምስፋን ጠመተ ዝገበረ ሃገራዊ ኮንፈረስ ተኻይዱ ነባሪ ሰላም ንምስፋን ኣብ ዝተኻየደ እዚ ሃገርለኸ ኮንፈረንስ ኣባላት ተቓዋሚ ውድባት: ምሁራን: መራሕቲ ሃይማኖት: ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሳቲፎም እዮም:: ሚኒስትር ዴኤታ ሚንስትር ሰላም ወይዘሮ ኣልማዝ መኮነን: ከምዚ ዓይነት መድረኽ ምድላው ነባሪ ሰላም ንምስፋን ግደ ኣለዎ ኢለን:: ነባሪ ሰላም ብሓደ ግዜ ኣይመፅእን ዝበላ እተን ሚኒስቴር ዴኤታ ምጅማር ዝግበአና ግና ሐዚ እዩ ኢለን:: ኣብቲ ኮንፍረንስ ነባሪ ሰላም ከምፅኡ ይኽእሉ እዮም ዝተባህለሎም መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቦም እዮም:: ኣቦ መንበር ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ኢዜማ ኣይተ የሺዋስ ኣሰፋ ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ንምርግጋገፅ ዴሞክራሲ ብምስፋን ህዝቢ ብዝደልዮ መንግስቲ ክምራሕ ከሎ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም:: ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕጊ ኣይተ የማነ ካሳ ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላም ዘረጋግጽ ሓያል መንግስቲ ምስ ዝህነጽ እዩ ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ንኢታማጆር ሽም ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነን መዘከርታ ሓወልቲ ተሰሪሑ። እቲ ሓወልቲ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝተመረቐሉ አጋጣሚ በዓልቲ ቤቶም ኮለኔል ፅገ ኣለማየሁ: "ከይዲ ምፅራይ እቲ ቕትለት ዘንጊዑ ኣሎ" ኢለን፡ ፌደራል ፖሊስ ብወገኑ እቲ ቕትለት ይጻረ ከምዘሎን ብቐፃሊ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝገብሮን ኣፍሊጡ:: ብሓለዊኦም ኣብ መንበሪ ገዝኦም ዝተቐተሉ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ኣብ ከተማ መቐለ መዘከርታ ሓወልቲ ብሚኒስተር ምክልኻል ተሃኒፅሎም ትማሊ ድማ ተመሪቑ:: ኣብ ስርዓት ምረቓ ሓወልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን፡ ስድራ ጀነራል ሰዓረ: ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፤ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስትን ተረኺቦም እዮም:: በዓልቲ ቤት ጀነራል ሰዓረ መኮነን ኮለኔል ፅገ ኣለማየሁ ሞት እቶም ጀነራል ስዒቡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ስድራ ኮይኑ ንዝገበሮ ምፅንናዕ ኣመስጊነን:: ሰራዊት ምክልኻል እውን ቅትለት ጀነራል ሰዓረ ክፃረ ይሓትት ከምዘሎን እቲ ሓወልቲ ድማ ክስራሕ ብምግባሩ ምስጋና ይግበኦ ኢለን:: ከይዲ ምፅራይ ቀተልቲ ጀነራል ሰዓረ መኮነን ደንጉዩ እዩ ክብላ እውን ተዛሪበን:: ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም መንግስቲ ክልል ትግራይ ምርመራ ቕትለት ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ብቐረባ ኮሜቴ ኣጣይሱ ይከታተሎ ኣሎ ኢሎም:: ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሓወልቲ ካብ ዝተረኸቡ ነባራት ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ስየ ኣብርሃ፡ "ሰዓረ ጅግና ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ጥራይ ዘይኮነስ ውሕሉል ፖለቲከኛ ከምዝነበረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣፀጋሚ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣርእዩ እዩ" ኢሎም:: ኢታማጆር ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ኣብ 15 ሰነ 2011 ኣብ መንበሪ ገዝኦም ብሓላዊ ጀነራል ሰዓረ ከምዝተቐተሉ ይዝከር:: ኣብ ጉዳይ ምፅራይ ቅትለት ጀነራል ሰዓረ መኮነን ንድምጺ ኣሜሪካ ምላሽ ዝሃቦ ኮምሽነር ኮምሽን ፖሊስ ፌደራል እንዳሻው ጣሰው ከይዲ ምፅራይ እቲ ቅትለት ይካየድ ከምዘሎ ምስተዛዘመ ድማ ንህዝቢ ዕላዊ ክንገብር ኢና ኢሎም:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ፆታዊ ጥቕዓት እንታይ የጠቓልል? ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ዓቐመን ክጥቀማን ከሐይላን ዘለው ፈተናታት! ( 2ይ ኽፋል) ‘’ፆታዊ ጥቕዓት ዝፅየፍ ትውልዲ ንምፍጣር ዓብዪ ጊደ ክንፃወት ኣለና’’ ዝበለት ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታ መቐለ ሓኪም ዶ/ር ሄለን ቴውድሮስ ከም ሓኪም ኣብ እትሰርሐሉ ሆስፒታ ኣካላዊ ጥቕዓት ተፈፂሙወን ክሕከማ ክመፃ ከለዋ ኣዚዩ ከምዝትንክፋ ብምሕባር ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝፍፀመ እንተኾይኑ ናብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብልስኪ ይኹን ብኣካል እናኸደት ከም እትከታተልን ከም እትሓትትን ትገልፅ። ኣተሓሳስባ ናይቲ ሕብረተሰብ ክቕየር ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ እውን ትብል ዶ/ር ሄለን። ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ ፆታዊ መጥቓዕቲ ንምቅላስ ከም ‘’Me Too’’ ዝዓይነቶም ምንቅስቓሳት ኣገደስቲ ምዃኖም ዝገለፅ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ጋዜጠኝነት ማቴዎስ ገብረህይወት ኣብ ትግራይ ኣብ መሬት ወሪዶም ዝስርሑ ምንቅስቓሳት ኣይንዕዘብን ዘለና ይብል።ስለዚ ይብል ማቴዎስ ኣብዚ ዝዋስኡ ናይ ሲቭል ማሕበረሰብ ክህልው ትምኒተይ እዩ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል። No media source currently available ሃገረስብከት ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝጸውዕዎ ሰልፊ ንኻልእ ግዜ ምንውሑ ተገሊጹ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ኣካላት ሃገረስብከት ኣዲስ ኣበባ 4 መስከረም 2012 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝፀውዕዎ ሰልፊ ንኻልእ ግዜ ከምዘናውሕዎ ኣተሓባብሪ ኮሚቴ ኣፍሊጦም። እቲ ኮሚቴ ሎሚ ዓርቢ ኣብዝሃቦ መግለፂ ኦርቶዶክ ቤተ ክርስትያን ንኢትዮጵያ ካብ ዝሃነፁ ኣካላት ሓንቲ ምዃና ብምሕባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኹሉ ተረሲዑ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረተን እታ ቤተ ክርስቲያን ዝለዓለ ጉድኣት ዘስዕብ ሓያሎ መጥቓዕታት ይፍፀሙ ኣለው ኢሉ ሎ። ነዚ ብሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ን4 መስከረም መደብ ሒዙ እንተነበረ እውን ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ናይ ፌደራልን ክልልን ኣካላት መንግስቲ ብዝተኻየደ ዝዝርብ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክናዋሕ ምውሳኑ ኣባል ናይቲ ኮሚቴ ኣቶ ሰይፉ ኣለማየሁ ገሊፆም። “ዝተኣተወልና ቃል ዘይፍፀም ወይ ዘየዕግብ እንተኾይኑ ን30 ጥቅምቲ 2012 ዓ/ም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ እነካይድ ምዃንና ክንገልፅ ንፈቱ።’ ነስምዖ ዘለና ድምፂ ናይ ኦርቶዶካዊያን ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነስ ነፃነት እምነት ሰፊሑ ኩሉ ብምክብባር ዝነበረላ ሰላማዊ ሃገር ንምርኣይ እዩ ኢሎም። 'ኣብ`ዚ ሓዲሽ ዓመት 2012፡ ምርጫ ኣብ ግዚኡ እተዘይተኻይዱ ናይ ሃገር ምብታን ክስዕብ ይኽእል እዩ' ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ`ዚ ሓዲሽ ዓመት 2012፡ ምርጫ ኣብ ግዚኡ እተዘይተኻይዱ ናይ ሃገር ምብታን ክስዕብ ይኽእል እዩ ኢሉ። No media source currently available ንሱ ከምኡ ዝበለ ሓዱሽ ዓመት 2012 ምኽንያት ብምግባር ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት ብደረጃ ክልል ይኹንን ብደረጃ ሃገር ዝነበሩ ፍፃመታት ኣድሂቡ መግለፂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን`ዩ:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝጸንሑ ኩሎም ትካላት ግብረ ሰናይ ምንቅስቃሶም ንጊዚኡ ደው ምባሎም ኣፍሊጦም ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ጋምቤላ ዝንቀሳቀሱ ዝነበሩ ኩሎም ትካላት ገበርቲ ሰናይ ምንቅስቃሶም ንግዚኡ ከምዘቋረፁ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባብሪ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም። እዚ ውሳነ ዝሓለፈ ትማሊ ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ክልተ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ምስ ተቐትሉ እዩ ክብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት ሃገራት ተተካኢ ኣተሓባብሪ ሰብኣዊ ረድኤት ስቲቨን ዌር ኦማሙ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዓሌታዊ መጥቓዕቲ ይዛረቡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ሰንበት ዝጀመረ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ሎሚ ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ ፖሊስ እታ ሃገር ናብ ጎደናታት ከተማታት ጆሃንስበርግን ፕሪቶርያን ብምውጻእ ኣስታት 90 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ገሊጾም ኣለው። ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጽመሉ ከባቢ ዝነብሩ ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ንብረቶም ከቢድ ዕንወት ከምዘጋጠሞም ይሕብሩ ኣለው። ኣቶ ዘሪሁን ኣብ ከተማ ጆሃስበርግ ንዝሓለፉ 9 ዓመታት ዝነበሩ ክኮኑ ከለው ብሰንኪ’ዚ ብሰንበት ዝተበገሰ መጥቓዕቲ ትካሎም ምሉእ ንምሉእ ምዕናው ሓቢሮም ኣለው። “ብጣዕሚ ከቢድ ኩነታት’ዩ ኔሩ። ኩነታት ምስ ተላዕለ ብዓልቲ ቤተይን ወደይን ሒዘ ናብ ዓርከይ ከይደ ኣብኡ ተጸጊዓ’የ ዘለኹ ናይ ጥርሙዝ ስቶር ኔሩኒ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ’ዩ።ድሕሪኡ ገለ ዝተረፈ ንብረት ኔሩ ንዕኡ ንምዕቃብ ማዕጾ ኣዓርየ መጺአ። ናተይ ትካል ክስበር ከሎ ፖሊስ ኣብ ኣፍደገ ደው ኢሉ ኔሩ። ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሮም ቁርብ ናይ ምርግጋእ ስራሕ ጀሚሮም እምበር ክሳብ ሕጂ ፖሊስ ዋላሓደ ነገር ኣይሰርሑን ኔሮም። ክንደይ ዓመት ዝሰራሕኻሉ ብከምዚ ብሓንሳብ ክዓንው ብጣዕሚ ዘሕዝን’ዩ።” ብዙሓት መንግስታት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ዜጋታቶም ደሕንነቶም ክሕልው ብምጥንቃቕ ነዚ ተደጋጋሚ ተርእዮ ኮኒኖም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ኩነታት ምስ ተፈጥረ ብመኪና ዝሃድሙ ዝነበሩ ክልተ ኢትዮዮጵያዊያን ብዘጋጠሞም ሓደጋ ህይወቶም ምሕላፎን ስነ ስርዓት ቀብሮም ሎሚ ኣብ ከተማ ጆሃስንበርግ ምፍጻሙን’ውን ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ኩነታት ሎሚ ቁሩብ ምርግጋኡ ዘዘራረብናዮም ዜጋታት ሓቢሮም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 3.8 ሚልዮን ዓመታት ዘቑጽር ኣሰር ህይወት ተረኺቡ ተመራመርቲ ቕድሚ 3.8 ኣስታት ሚልዮን ዓመታት ናይ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ኣስከሬን ሸኽና ርእሲ ኣብ ኢትዮጵያ ምርካቦም ኣፍሊጦም። እቶም ተመራመርቲ ነቲ ሓድሽ ርኽበት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘፍለጥሉ እዋን እቲ ዝረተኽበ ኣስከሬን ሸክና ርእሲ ምሉእ ምዃኑ ብምሕባር ናይ ህበይን ሰብን ቅርጺ ዝሓዘ ምዃኑ’ውን ገሊጾም ኣለው። No media source currently available እቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተረኽበ ኣሰር ህይወት ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብታ ሃገር ዝተረኽበ ብ’ሉሲ’ ዝፍለጥ ኣሰር ህይወት ምትእስሳር ከምዘለዎ እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው። እቲ ሓድሽ ርኽበት ኣስትሮለፐቲክስ ኣናመንሲስ ናይ ዝተባህሉ ቀዳሞት ዓሌት ወዲ ሰብ ኣቃውሞ ገጽ፥ ዓቐን ኣእምሮን ኣመጋግባን ንምፍላጥ ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ’ ሎ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ሱዳን 6 ብ0 ስዒራ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንሃገራዊት ጋንታ ሱዳን 6 ብ0 ክትስዕር ከላ ኬንያን ብሩንድን ድማ ብማዕረ ነጥቢ ተፈላለየን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምዕራብ ጎንደር ከባቢ መተማ ጠያይቲ ጽዒነን ናብ ሱዳን ክሰግራ ዝፈተና መካይን ተዓጊተን ጉዳየን ይምርመር ኣሎ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎንደር ከባቢ መተማ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ዘይፈልጦ፡ ጠያይቲ ጽዒነን ናብ ሱዳን ክሳገራ ዝፈተና “ ንብረት ሰራዊት ምክልኻል`የን” ዝተባህላ ሓሙሽተ ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ኣትየን መርመራ ይግበረለን ምህላዉ፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ፍሉይ ሓይሊ ኣዛዚ ምዕራብ ጎንደር ብርጌድ ኣዛዚ ኮሎኔል ሰለሞን ኣሻግሬ ኣፍሊጡ። እተን መበገሲአንን መብጺሐኤንን ኣበይ ምዃኑ ዛጊት ዘይተፈልጣ ሓሙሽተ ምስ ተሰሓብተን ተሽከርከርቲ፡ ዶብ መተማ ዮሃንስ ቅድሚ ምስጋረን፡ ብመንእሰያት`ቲ ከባቢ መንግዲ ተዓጽየን ደው ክብላ ከም ዝኸኣላ ተሓቢሩ`ሎ። ኣብ`ቲ ኸባቢ ናይ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ኣዛዚ ብርጌድ ኮ/ሌ ሸዋገኝ ኣብጤ ፡ ዝኾነ ዶብ ዝሰግር ናይ ምክልኻል ይኹን ናይ ካልእ መኪና ምንቅስቓስ ሓበረታ ኣቐዲሙ ከምዝበጽሖም ብምግላጽ፡ ሕጂ ብዛዕባ ጠያይቲ ሒዘን ክሰግራ ዝተታሕዛ ዝተባህላ ሓሙሽተ ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ ግን ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ጉዳይ ብፖሊስን ብምክልኻል፡ ከምኡ`ውን ኣብ`ቲ ኸባቢ ብዘሎ ናይ ጸጥታ ሓይሊ ይምርመር ምህላዉ`ውን ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሓቢሮም ኣለዉ። ትሕቲ 15 ዓመት ዕድመ ውድድራት ሴካፋ 2019 ጽባሕ ኣብ ኣስመራ ክጅመር'ዩ ኣብ ኣስመራ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ዝካየድ ትሕቲ 15 ዓመት ዕድመ ውድድራት ሴካፋ (CECAFA) ማለት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ጽባሕ ክጅመር’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወረዳታት ገላን አማሮን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 4 ሰባት ሞይቶም 5 ካልኦት ምቑሳሎም ተገሊጹ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ወረዳ ገላን ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ብዝተፈፀሙ መጥቓዕታት ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉ ሰበስልጣን ናይተን ወረዳታት ገሊፆም። ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ወረዳ ገላና ኣቶ ገበየሁ ያዴታ ኣብቲ ከባቢ ብዝዓረዱ ዝበሉዎም ሸፋቱ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ስቪላት መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሙን ሰባት ከምዝተቐትሉን ገሊፆም። ኣቶ ኣማረ ወሲኾም ዝቖሰሉ ኣብ ኣማሮ ኬሌናን ኣርባምንጭ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለው ሓቢሮም። ኣብቲ ከባቢ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ልዕሊ 600 ሰባት ብግፍዒ ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ናይቲ ከባቢ ምግላጾም ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ። መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ሳዋ ተጸንቢሉ መበል 25 ዓመት ምምስራት ሳዋን ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎትን ካብ 2-4 ነሓሰ 2019: ብዝተፈላለዩ መደባት ተጸንቢሉ። ኣብቲ ጽንብል ኣስታት 16 ሽሕ ዝኾኑ መበል 32 ዙሪያ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ን 2 ዓመታት ብ13 ሞያታት ክመሃሩ ዝጸንሑ 909 መንእሰያትን ተመሪቖም። ጎን ጎን’ዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ሳዋ ፡ ምስ መጽሄት ምክልኻል "ተዓጠቕ" ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎትን መደበር ተዓሊም ሳዋን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ፣ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተርፍ ዕማምን ንኩሉ ዝምልከትን ከምዝኾነን ኣብ ሃገር ክሳብ ማህበራዊ ፍትሒ ዝረጋገጽ ዝቕጽል ከምዝኾነን ኣፍሊጡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available መግለጺ ምንስቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ ምንስቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብታ ሃገር ኮነ ኣብቲ ክልል ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ለውጢ እናሓየለ ምኻዱ ጠቒሱ ብኣንፃሩ ኸኣ ነቲ ለውጢ ዝፃረሩን ንመስርሕ እቱ ለውጢ ብግቡእ ዘይተረድኡን ዝበሎም ኣብቲ ክልል ህውከትን ዕግርግርን ኣልዒሎም ክብል ገሊፁ። ንሕገ መንግስታዊ መሰል ምውዳብ ክልል ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኣብቲ ዝተወሃበ ውሱን ግዜ ምላሽ ከይሃቡ ተንጠልጢሉ ተሪፉ፤እዚ ኸኣ ፖለቲካዊ ውዲት’ዩ ክብል ቲ ምንቅስቃስ ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ክልል ዝተላዕሉ ሕቶታት ብዝምልከት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ወግዓዊ ኮይኑ ኣብ ክልል ደቡብ ይልዓሉ ዘለው ሕቶታት ብዝምልከት ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ መፅናዕቲ ዘካየደ ገለልተኛ ጉጅለ ውፅኢት መፅናዕቱ ሎሚ ረቡዕ ወግዓዊ ጌሩ። በዚ መሰረት ድማ ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ 56 ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን በቲ ሕጂ ዘለዎ ክቕፅል ዝሓሸ መማረፂ ምዃኑ ኣፍሊጡ።እቲ ካልኣይ መማረፂ ድማ ደቡብ ናብ ክልተ ወይ ካብ ክልተ ንላዕሊ ናብ ዝኾና ክልላት ክመቓቐል: እቲ ሳልሳይ መማረፂ ‘’ክልል ክንኸውን’’ ኢና ዝብሉ ሕቶታት ብጊዝያዊነት ክፀንሑ ምግባርን ዝብሉ ምዃኖም እቲ ጉጅለ ኣማሲዩ ኣብዝሃቦ መግለፂ ወግዓዊ ገይሩ። ነቲ መፅናዕቲ ዘካየዱ ኣብዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ዝምህሩን ኣብ ካልኦት ትካላት ዝሰርሑን ክኢላታት ዝሓቖፈ ጉጅለ እዩ።ነቲ መፅናዕቲ ክካየድ ዝገበረ ገዛኢ ፓርቲ ናይቲ ክልል ናይ ደቡብ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምቅስቓስ /ዴህዴን/ እዩ ። ኤርትራ-ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ዓቢ ረብሓን ኣገዳስነትን ከምዘለዎ ተገሊጹ ብቋንቋ ኣደ ምምሃር ኣብ መዳይ ትምህርትን ማሕበረ-ቁጠባውን ባህልን ሕብረተሰብ ድርብ ረብሓ ከምዘለዎ ኣብ ሚንስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ። እተን ናይ ላቲን ፊደላት ዝጥቀማ ከም ብዳውየትን ናራን ዝኣመሰላ ቋንቋታት፡ኣብ ውሽጠን ናይ ኣዘራርባን ኣጥቃቅማን ቃላት (dialects)ከምኡ’ውን ኣብ ኣደማማጻ ፡ብምትራርን ምፍኳስን ቃላተን ዝተፈላለየ ትርጉም ዝህቡ ብምዃኖም ፡ኣብ ምምዕባል ናይ’ተን ቋንቋታት ቀንዲ ብድሆ ከምዝኾነ ኣቶ ሙሳ ተዛሪቡ። ኣብ’ተን ውሑድ ተዛረብቲ ዘለወን ቋንቋታት ዝረኣዩ ሕጽረት መወከሲ መጽሓፍትን ኣብ ስራሕ ዓለም ዘጋጥሞም ናይ ምርድዳእ ጸገማትን ንምፍታሕ ፡ዝተፈላለዩ ጻዕርታትን ፍሉይ ምትብባዓትን ከምዝግበረሎም ኣቶ ሙሳ ሑሰን ናይብ ወሲኹ ኣረዲኡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ብግዱሳት ነጋዶን ሰብ ሃብትን ትግራይ 250 ሚልዮን ብር ንምእካብ ዓሊሙ ትማሊ 14 ሓምለ 2011 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ምትእክካብ ገንዘብ ልዕሊ 500 ሚልዮን ብር ዝኣክል ቃል ከምዝተኣተወ ኣካቢ ኮሚቴ ምትእክካብ ገንዘብ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉ ሓቢሮም። ምስ ኣይተ ኣሸናፊ ሃይሉን ካልኦት መተሓባበርቲ ምትእኽኻብ እቶት ዝኮኑ ኣባላት ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ዞባ ሲዳማ ምርግጋእ ይረአ ምህላው ተገሊጹ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ኣብ ከተማታት ዞባ ሲዳማ ምርግጋእ ይረአ ምህላውን ነበርቲ ብኽፋል ናብ ስሩዕ ምንቅስቓሶም ይምለሱ ከምዘለው ተገሊፁ። ኣብቲ ክልል ኣብዚ ቅንያት ብዝነበረ ግጭት እንተወሓደ 35 ሰባት ከምዝተቐትሉን ግምቱ ዘይተፈልጠ ንብረት ከምዝዓነወን ተፈሊጡ’ሎ። ናይ ደቡብ ክልል ፕረዚዳንት ኣቶ ሚሊዮን ማቴዎስ ኣብ ዞባ ሲዳማ ጉድኣት ዝበጽሖም ከባቢታት ተዘዋዊሮም ይዕዘቡ ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ተመዚዞም ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ጉባኤ 15 ሰነ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ተፈጢሩ ዝጸንሓ ክፍተት ኣመራርሓ ንምምላእ ዘኽእል ውሳነ ኣካይዱ። በዚ ኸኣ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ክኾኑ ድሕሪ ምፅዳቕ ቃለ መሓላ ፈፂሞም ኣለው። ቃለ መሓላ ዝፈጸሙ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ ህሞት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብቲ ክልል ክብ ዝበለ ውጥረት ፖለቲካ ኣብ ዘለወሉ ናብ መዝነቶም ምምጽኦም እቲ ጉዕዞ ጥጡሕ ከምዘይኾነ ዘረድእ’ዩ ክብል ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሓረስቶት ከባቢ ቢሾፍቱ ብምኽንያት ዝወደቐት ነፋሪቲ ኢትዮጵያ መሬቶም ስለዝተሓዝአ ክሓርሱ ከምዘይከኣሉ ገሊጾም ኣርባዕተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምውዳቕ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነበርቲ ቢሾፍቱ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ብዙሕ ለውጢ ኣየተአናገደን ይብሉ። ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ 10 ሜትር መሬት ሕጂ’ውን ውሱን ምንቅስቃስ’ዩ ዘለው ስለዝኾነ ድማ ነበርቲ ቢሾፍቱ እቲ ኩነታት ዝተታሕዘሉ ኣገባብ ከምዘየሓጎሶም ይገልጹ። ዓበይቲ ዓዲ እቲ ናይ ሓደጋ ቦታ ናይ 10 ሓረስቶት መሬት ብከፊል ዝሓዘ ብምዃኑ እቶም ሓረስቶት ሎሚ ዓመት ካብቲ መሬት እኽሊ ኣየእትውን ማለት’ዩ ክብሉ የረድኡ። ካልኦት ነበርቲ ድማ ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ኣብቲ ቦታ ክሊኒክን መንገዲን ከምዝስራሕ ተሓቢሩና ኔሩ ክሳብ ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ምንቅስቃስ የለን ይብሉ። ተስፋይ ሙላቱ ሓደ ካብ ነበርቲ ቢሾፍቱ “ክሳብ ሕጂ ዘረባ ጥራይ’ዩ :ኣብ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ብኢትዮጵያዊያን ኣቆጻጽራ ክፍጽምዎ ተጸቢና እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ቃል ኣትዮም ዝተፈጸመ ነገር ግን የለን” ይብል። ኣብዚ ሓደጋ 157 ሰባት ዝሞቱ ክኾኑ ከለው ቢይንግ ማክስ 8ነፈርቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ በረራ ክእገዳ ዘገደደ ካልኣይ ሓደጋ’ውን’ዩ ኔሩ። ቦይንግ 100 ሚልዮን ዶላር ንግዳያት ካሕሳ ክኸፈል መደብ ከምዘለው እንተሓበረ’ዃ: ስድራ ግዳያት ግን እቲ መደብ ዘይንጹር’ ዩ ክብሉ ይነቕፉ ገለ ስድራ ግዳያት’ውን ብውልቂ ኣብ ልዕሊ ቦይንግ ክሲ ምምስራቶም ይፍለጥ። ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ሓደ ካብ አባላቱ ዝዓጠቑ ሰባት መርዚ ከስትይዎ ከምዝፈተኑ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባል ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ብረት ብዝተዓጠቑ ሰባት መርዚ ብግዲ ከስትይዎ ተፈቲኑ ዝብል መግለፂ እቲ ውድብ ንማዕኸናት ዜና ሂቡ ነይሩ:: እዚ ተፈፂምዎም ዝተብሃሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስ እቲ ውድብ ኣይተ ኣማኑኤል ወልደሊባኖስ እዮም:: እዚ ጉዳይ ተፈፂምሎም ዝተብሃሉ ድማ ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንስ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ወልደሊባኖስ እዮም:: ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ኩነታት ኣዋጊዕናዮም:: ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ክልል ኦሮምያ ንጸጥታን ደሕንነትን ዝፈታተን ምንቅስቃሳት ከምዝተራእየ ኮሚሽነር ፖሊስ’ቲ ክልል ገሊጾም ኣብ ክልል ኦሮምያ ንጸጥታን ደሕንነትን ዝፈታትን ምንቅስቃሳት ከምዝተራእየ ኮሚሽን ፖሊስ’ቲ ክልል ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮምያ ከፍያለው ተፈራ ኣብቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ አዲስ አበባ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን አዲስ አበባን ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ዝተባህለ ፍጻመ ክሳብ ምምሕዳራዊ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ሱሩ ዝናዋሕ’ዩ ኔሩ ኢሎም። ድሕሪ’ቲ ምንቅስቃስ ተጠርጠርቲ ከምዝተአሰሩ ዝገለጹ’ቶም ኮሚሽነር እቲ ከይዲ ይጻረ’ሎ እውን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ሓላፊ ወታሃደራዊ ስታፍ ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ጡረተኛ ሜ/ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ስነ ስርዓት ምፍናው ሬሳ ሓላፊ ወታሃደራዊ ስታፍ ኢትዮጵያ ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜ/ጀነራል ገዛኢ ኣበራን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሚለንየም ኣዳራሽ ተኻይዱ። ስምዒት ዝተሓወሶ ከቢድ ሓዘን ዝተንጸባረቐሉ ስነ-ስርዓት ምፍናው፡ ካብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ክሳብ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ዝነብዕሉ`ዩ ኔሩ። ልዑል ኣበርኽቶ ጀነራል ሰዓረ ዝነኣደ ምኽትል ጠቕላሊ ወታሃደራዊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ወታሃደራዊ መራሒ ስለዝነበራ ክትኮርዕ ይግብኣ ኢሉ። “ጀነራል ሰዓረ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ዕላማ ብምዕዋት ንቐተልቲ ሰዓረ ክነሕፍሮም ኢና፡ ድልየታቶም ከምዘይዕወት ንምግባር ድማ ብቖራጽነት ክንቃለስ ኢና” ኢሉ። No media source currently available ወዲ`ቲ ጀነራል፡ መዓሾ ሰዓረ ድማ “ ኣቦይ ኣብ ሓድነትን ምክእኣልን ሓቢርካ ምስራሕን ዝኣምን ፍጹም ኢትዮጵያ`ዩ ኔሩ” ድሕሪ ምባል “ኣቦይ ስለዝሞተ ሃገር ኣይትፈርስንያ፡ ንሕና ሓይልና እንተሰሪሕና ኢትዮጵያ ሓንቲ ክንገብራ ኢና “ ኢሉ። ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምትእኽካብ ገንዘብ መንግስቲ ክልል ትግራይ መንግስቲ ትግራይ ሓገዝ ገንዘብ ክግበረሉ ብማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ኣቢሉ ንህዝቢ ይሓትት ኣሎ:: በዚ ድማ ሰራሕተኛታት መንግስትን ትካላት ልምዓትን ካብ 5 ሚእታዊት ጀሚሩ ክሳብ ምሉእ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ከምዘወፈዩ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ተዛሪበን:: ወ/ሮ ሊያ ካሳ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ንግድን ሰብሃብቲን ትግራይ ናብዚ ምንቅስቓስ ብምሕዋስ 16 ሰነ 2011 ዓ.ም ናይ ባዕሎም ቴሌቶን ኣዳልዮም 250 ሚልዮን ብር ንምእካብ ተሊሞም ኣለው ኢለን:: መንግስቲ ትግራይ እቲ ገንዘብ የተኣኻኽብ ዘሎ ኣብዛ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብዝተፈጠረ ፀገም ፖለቲካ ካልኣይ ምዕራፍ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎሜሽን ብዝግባእ ስለዘይተፈፀመ እዩ ዝበላ ወ/ሮ ሊያ: ኣብ ትግራይ እውን ከምቲ ናይ ሃገር ኣፈፃፅምኡ ትሑት እዩ ኢለን:: በዚ ድማ ኣብ ዝተረፈ ሓደ ዓመት እቲ ስራሓት ልምዓት ንምክሕሓስ ተወሳኺ ገንዘብ ኣድላዪ ስለዝኾነ እዩ ኢለን:: ብተወሳኺ በቲ ፖለቲካዊ ፀገም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመዛቢሎም ናብ ትግራይ ዝመፁ 109 ሽሕ ተጋሩ መልሲካ እግሪ ናይ ምትካል ስራሓት ስለዘይተፈፀመ ንዕኦም እውን ንምሕጋዝ እዩ ክብላ ኣረዲኣን:: ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ ንምሕላው ድማ ተወሳኺ ገንዘብ ስለዘድሊ እዩ እውን ኢለን:: እቲ ክልል በብዓመቱ ዝምድቦ ናይ ገንዘብ ባጀትን ፌደራል መንግስቲ ዝህቦ ድጎማ ንምንታይ ስራሕ እንዳወዓለ እዩ እቲ ገንዘብ ናይ ምትእኽኻብ ዝተጀመረ ዝብል ዝቐረበለን ሕቶ: ወይዘሮ ሊያ እቲ በጀት ንስራሓት ልምዓት ይውዕል ኣሎ ኮይኑ ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዘሎ ድልየት ህዝቢ ዘዕግብ ኣይኮነን ኢለን:: ምክትል ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል "መንግስቲ ፌደራል ልቓሕ ሓረስቶት ስለዘይተመለሰ ብዝብል 200 ሚልዮን ብር ካብ በጀት ቆሪፁ ኣትሪፉ እዩ" ኢሎም ተዛሪቦም ነይሮም እዚ ጉዳይ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ምኽንያት ኮይኑ'ዶ ዝብል ሕቶ እውን እዚ ጉዳይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ ክልል የጋጥምዎ ካብዘለዉ ፀገማት እቲ ሓደ እምበር ቀንዲ ኣይኮነን ኢለን::ብዛዕባ እቲ ጉዳዩ መብርሂ እንትህባ ኣቐዲምካ በጀት ካብ ምቑራፅ ብምርድዳእ ምፍታሕ ይከኣል ነይሩ ድማ ኢለን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ደሴን ከባቢኣን ዘተ አካይዶም ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ደሴ ምስ ህዝቢ ዘተ ብምክያድ ካብ ህዝቢ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መሊሶም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ከተማ ደሴን ከባቢኣን ኣብ ዝዘተይሉ መድረኽ ቀንዲ ትኹረት ዝተገበረሎም ዛዕባታት ምዝንባል ዜጋታት፣ሕገ መንግስቲ፣ቀረብ ሓይሊ ኤሌትሪክ፣ ኣብ ናቶም መሪሕነት ልዕልነት ተወላዶ ኦሮሞ ይርአ’ሎ ዝብሉን ካልኦት ነይሮም። ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ኣቶ ደመቀ መኮነንን ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ኣምባቸው መኮነን እውን ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ዝተሳተፉ ኽኮኑ ከለው፡ ዜጋታት ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብ ሃገሮም ተንቀሳቒሶም ናይ ምንባርን ሃብቲ ናይ ምፍራይን መሰሎም ይጠሓስ ስለዘሎ ስለምንታይ ደው ዘይብል ዝብል ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዘቕረብዎ ሕቶ ከምዚ ክብሉ መሊሶም። “ኣነ ናብ መዝነት ክመፅእ ከለኹ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ዝተመዛበሉ ሰባት ነይሮም።ኣነ ምስ መፃእኹ ተወሲኹዎ ኣስታት ክልተ ነጥቢ ገለ ሚሊዮን ተመዛበልቲ ነይሮም።ምዝንባል ብዝምልከት ክልተ ነገራት ኣለው።ተመዛቢልካ ኪድ ዝብል ኣሎ፤ተመዛቢልካ ንዓ ዝብል ድማ ኣሎ ምኽንያቱ ምዝንባል ንብዙሓት ሰባት ንግዲ ስለዝኾነ።” ቀጺሎም ምዝንባል መለመኒ ኮይኑ’ሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብዚ ዓመት ብዝተኻየደ ምርብራብ ተመዛበልቲ ተመሊሶም ኣለው ኢሎም። “በዚ ኣጋጣሚ ንሚንስትር ሰላም ዝለዓለ ምስጋና ከቕርብ እደሊ።ኣብዚ ዓመት ብዝተኻየደ ርብርብ ኣብ ናትና ናይ መሪሕነት ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣቐዲሞም ዝተመዛበሉ ሓዊሱ ክሳብ ሕጂ 1.8 ሚሊዮን ህዝቢ ናብ መነባብርኦም መሊስናዮም ኣለና።ሎሚ በብክልሉ ዝተረፉ ክድመር ከሎ ኣስታት 500 ሽሕ ኣለው።እዚኦም እውን ክረምቲ ቅድሚ ምዝዛሙ ብሙሉኦም ንምምላስ ብዝለዓለ ደረጃ ንሰርሕ ኣለና።” ጥፍኣት ከየጋጥም ምክልኻል፣ምስራሕን ምልማዕን ዝኸበደ ምዃኑ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ጥፍኣት ግን ዝቐለለ ስለዝኾነ ኩሉ ክነግስን ክፍክርን ፈቖዱኡ ትሰምዕዎ ኣለኹም ኢሎም። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሄር መሰረት ዝገበረ ስርዓት ፌደራል ምዃኑ ክልላት ሃገራዊ ራእይ ከይህልወን እናገበረ እዩ ዝብል ሕቶ፡ “ንኢትዮጵያ ዘፍርሳ ሕገ መንግስቲ እዩ፤ንኢትዮጵያ ዘፍርሳ ክስቶ እዩ፤ዝብሃል ነገር፡ንኢትዮጵያ ዘፍርሳ ነገር ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ልቢ ምሽፋት ጥራሕ እዩ።ንሕና እንተድኣ ተቐይርና እቲ ሕጊ ኣብ ኢድና’ዩ፣እቲ ስርዓት ኣብ ኢድና፣ንሕና እንተድኣ ተቐይርና መንግስቲ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ።እንታይ ዝፅግመና ነገር ኣሎ?” ኢሎም። ሕገ መንግስቲ እንተድኣ ተተንኪፉ ጠፋእና ዝብሉን እዚ ሕገ መንግስቲ እንተድኣ ሃሊዩ ሃገር ዝብሃል የለን ዝብሉን ክልቲኦም ኣብ ክልተ ጫፍ ዝረገፁ ኣበሃህላታት እዮም ዝበሉ ቀ/ሚ ኣብይ ሕገ መንግስቲ ሃለወ ኣይሃለወ ኢትዮጵያ ክትቕፅል እያ ኢሎም።ግን ኸአ ሕገ መንግስቲ ስለዘድልይ ምዝርራብን ግዜን ይደሊ እዩ ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ የጋጥም ንዘሎ ምቁርራፅ ሓይሊ ኤሌትሪክ ብዝምልከት ፀገም ከምዘሎ፣ ኣብ ቀረብን ምህርትን ሓይሊ ኤሌትሪክ ኣፈላላይ ኣሎ ኢሎም።እቲ ዝዓበየ ፀገም ግን ሓይሊ ኤሌትሪክ ካብ ዝፈርየሉ ዘጋጠመ ናይ ቐረብ ፀገም እዩ ኢሎም ። ልዕሊ 35 ሚእታዊት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ኣገልግሎት ከይበፅሐ ኣብ መንጎ ከምዝባኽን ብምሕባር ምስ መንግስቲ ቻይና ዝተገብረ ናይ 1.8 ቢሊዮን ዶላር ስምምዕ ቀንዲ ትኹረቱ ሓይሊ ኤሌክቲሪክ ካብቲ ዝፈርየሉ ናብ ከተማታት ምብፃሕ ስለዝኾነ ኣብ ቀረባ ክፍታሕ እዩ ኢሎም። ኣብ እዋን ስልጣን ዘመን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ ሓደ ብሄር ልዕልነት ይርአ’ሎ፤ናይ ኦሮሞ ተወለድቲ ስልጣን ብዝለዓለ ደረጃ ወሲኹ ዝብሉ ቅሬታ ዝተሓወሶም ርእይቶታት ካብ ተሳታፊት ቀሪቦም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ እዚ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ፣የግዳስ ኣብቶም ዝሓለፉ 30 ዓመታት ተወለደቲ ኦሮሞ ሚንስትራትን ምኽትል ሚንስትራትን ብብዝሒ ዝለዓለ ነይሩ፤ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ከምኡ ኣይኮነን ዘሎ ኢሎም። ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ዝመሓደራ ዝነበራ ክሊኒካትን ማእከላት ጥዕናን ሞዕጻወን ተገሊጹ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ኩለን ክሊኒካትን ማእከላት ጥዕናን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚረን ብመንግስቲ ከምዝተዓጽዋ ንምፍላጥ ተኻኢሉ`ሎ። ካብ መንግስቲ ዝኾነ ይኹን መግለጺ ኣይተዋህበን። ድምጺ ኣሜሪካ ብስልኪ ዝረኸቦም ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ብዛዕባ`ቲ ምዕጻው ዝኾነ ይኹን ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቦም። እሙናት ምንጭታት ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ኤርትራ ግን፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ፡ ኣብ ምልእቲ`ታ ሃገር ዝነበራ መብዛሕቲኣን ብደናግል ማሕበራት ዝመሓደራ ኣስታት 20 ትካላት ሕክምና ብኣባላት ፖሊስን ጸጥታን “ኣረክቡና” ብዝብል ከምዝተዓጽዋ ይገልጹ`ለዉ። ንምንታይ ይዓጽውዎም ከምዘለዉን ፡ ኣብ ገሊኡ`ውን ብጽሑፍ ክውሃቦም ሓቲቶም: ካብ`ቶም ኣካላት መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ምላሽ ከምዘይረኸቡ ሓቢሮም። ድሕሪ`ዚ ናብ ሚንስተር ጥዕና ወ/ሮ ኣምና ኑርሒሴን ደብዳቤ ዝጸሓፉ ኣርባዕቲኦም ኣቡናት ካቶሊክ ኤርትራ፡ ብሓይሊ ንዝውሰድ ተበግሶ ሳዕቤኑ ኸቢድ ከምዝኾነን፡ ንዘተን ምርድዳእን ግን ድልዋት ምዃኖምን ኣፍሊጦም ኣለዉ። በቲ ስጉምቲ ካብ መንጎ ዝተዓጽዋ ኣስታት 20 ትካላት ጥዕና፡ ኣብ ዓሰብ፡ ድግሳ፡ እንገላ፡ ዓዲ-ጀኑ፡ ዛግር፡ ሓመልማሎ፡ ግላስ፡ መገሎ፡ እንገርነ ተጠቀስቲ ከምዝኾናን፡ ነቲ ካብ ርሑቕ ዝመጽእ ህዝቢ ዝህብኦ ዝነበራ ኣገልግሎት መተካእታ ዘይነበሮ ምዃኑን፡ ካብ`ቶም ሓለፍቲ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት። ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተራእየ ሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ) 13 ሰባት ምሕማሞም ተገሊጹ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 25 ግንቦት 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተረኣየ ሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ) 13 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተታሓዙ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ:: በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ኩላቶም ድሕሪ ዝተኻየደሎም ናይ ሕክምና ክትትል ድሒኖም ነናብ ገዝኦም ከምዝተመለሱ ዝገለፀ ቢሮ ጥዕና’ቲ ኽልል ነቲ ሕማም ንምኽልካል ካብ ዝካየዱ ስርሓት ብተወሳኺ እቲ ሕማም ምስ ዘጋጥም ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ኩሎም ትካላት ጥዕና መንግስቲ ድልዋት ክኾኑ ተሓቢርዎም ኣሎ ኢሉ:: 25 ግንቦት 2011 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ከምዝተርኣየ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣቶ ተኽላይ ወልደማርያም ይዛረቡ:: ክሳብ ሐዚ በቲ ሕማም 13 ሰባት ከምዝተታሓዙ ዝገለፁ ኣይተ ተኽላይ በቲ ሕማን ግን ዝሞተ ሰብ የለን ኢሎም:: ኣቶ ተኽላይ ኣብ ትግራይ እቲ ሕማም ቅድሚ ሐዚ እውን ተራእዩ ስለዝነበረ ዳግም ኮሌራ ከይምለስ ስራሓት ምክልኻል ክኻየድ ጸኒሑ’ዩ ኢሎም:: ብፍላይ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዘይረኸቡ ሰባት ማይ ኣጻርዮም ክጥቀሙ ግንዛበ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ነቲ ማይ መጻረይ መድሓኒት ምክፍፋሉ ሓቢሮም:: ብተወሳኺ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ብምርድዳእ ኣብ ትግራይ ሰብ ብብዝሒ ኣብ ዝኸደለን 3 ቦታታት ማይ ፀሎት ሽቓቕ ከምዝተስርሐ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና እውን ኣብቶም ናይ ፀበል ቦታታት ተመዲቦም ከምዘለው ገሊፆም:: ሕማም ኮሌራ ኣብ ዝተርኣየሎም እዞም 10 መዓልትታት ኣገልግሎት ሕክምና ካብ ዝተውሃበሎም ትካላት ሕክምና ሓደ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መባእታዊ ሆስፒታል ዓዲሓቂ ሓደ እዩ:: እዚ ሆስፒታል ንሕማም ኮሌራ ንምሕካም ተባሂሉ ዝተፈለየ እዩ:: ሲስተር ነብያት ፀጋይ ኣብቲ ሆስፒታል ኣተሓባባሪት ሰብሞያ ነርስ’ያ። ንሳ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ኣብ ኮሌራ ጠሚቱ ስልጠና ከምዝተውሃቦም ትገልጽ:: “ዘድሊ መሳርሒ’ውን ተማሊኡ እዩ” ዝበለት ሲስተር ነብያት ኣብቲ ዝጎደለ ናይ ላብራቶሪ መሳርሒ ድማ ክማላእ ሓቲትና ኣለና ትብል:: ኮሌራ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዝነበረ ሕማም ኮይኑ ኣፃዳፊ ማያዊ ውፃኣትን ተምላስን ብዝብል ሽም ከምዝጽዋዕ ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣቦ መንበር ግዚያዊ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ኣስመራ ኣትዩ ኣቦ መንበር ግዝያዊ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡራን ሎሚ ንግሆ ኣስመራ ኣትዩ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቦም ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሮም ኣለው። ኣብቲ ርክብ ፕረ. ኢሳያስ ሃገሮም ንህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን ዘለዎ ድጋፍ ደጊሞም ብምርግጋጽ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳንን ህዝቢ’ታ ሃገር ብሓፈሻ ኣብዚ ናይታ ሃገር ተአፋፊ ናይ ምስግጋር እዋን ተሳትፎኦም ከበርክቱ ጻውዒቶም ኣቕሪቦም ኣለው። ሌተናል ጀነራል ዓብድልፈታሕ ኣል ቡህራን ብወገኖም ኤርትራ ኣብ ህልው ኩነታት ሱዳን ዘለዋ መርገጺ ኣመስጊኖም፡ "እዚ መርኣያ ‘ቲ ታሪኻዊ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት’ዩ” ኢሎም። ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓለፈ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሓ ዘየድልይ ውጥረት ንክልቲኡ ወገናት ከምዝጎደአ ብምግላጽ እንተኾነ ግን ንመጻኢ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ንምዕባይ ዘለዎም ድልውነት ገሊጾም። ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ዑደት ዘካየደ ልኡኽ ሱዳን ሎሚ ዓርቢ አጋ ምሽት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ’ሎ። ምሉእ ዝርዝር ኣብ ናይ ሎሚ ፈነወ ተኸታተሉ። "ወታሃደራዊ መሪሕነትን ተቓወምቲን ሱዳን ዳግማይ ልዝብ ንምቕጻል ተሰማሚዖም" ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ሱዳንን ተቓወምቲን መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ንምምስራትን ዝተቛረጸ ልዝብ ዳግማይ ከንምጅማር ምስምማዖም ናይ ኢትዮጵያ ልኡኽ ኣፍሊጡ። ሕብረት ተቓወምቲ ብወገኑ ዝተጸወዐ ኣድማን ሲቪላዊ ዘይምእዛዝን ከምዘቋርጾ ኣፍሊጡ'ሎ። ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን እሱራት ፖለቲካ ከምዝፈትሕ ፍሉይ ል ኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መሓመድ ዲርዲሪ ኣብ ካርቱም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝ ሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሶኑይ ዘጋጠመ ግጭት ነቲ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መሪሕነት ዝነበረ ልዝብ ደው ምባሉ ይዝከር። ኣዋጅ ንናጽነትን ሓይልታት ለውጢን ዝተባህለ ጥምረት ተቓወምቲ ብወገኑ ኣብታ ሃገር ጸዊዕዎ ዝነበረ ኣድማ ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሩ ደው ክብል ጸዊዑ'ሎ። መራሕቲ ተቓወምቲ ካልድ ዑመር ንኣል ሓዳ ዝተባህለ ቴሌቭዥን ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ነቲ ኣድማ ደው ናይ ምባል ውሳነ ምስ ዝኾነ ፖለቲካ ምዕባለታት ዝተሓሓዝ ኣይኮነን ኢሎም። ኣብዚ ሰሙን መጀመርያ ንሱዳን ዘምርሑ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሸሞንተ ካብ ሲቪል መሪሕነት ሸውዓተ ድማ ካብ ወታሃደራዊ መሪሕነት ዘለውዎ 15 አባላት ዘለውዎ ቤት ምኽሪ ክምስረትን ፕረዚደንት ድማ ካብ ክልቲኡ ወገን ብብተራ ክኸውን ሓሳብ ምቕራቦም ይፍለጥ። ተቓዋሚ ሕብረት ኣዋጅ ንናጽነትን ሓይልታት ለውጢን ስም ዝርዝር እቶም ሸሞንተ አባላት ቤት ምኽሪ ምርቑሑ ይፍለጥ።\n\nኣሜሪካ ንምክትል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ ሱዳን ከምዘምርሕ ሓቢራ'ላ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሳብ ዝምስረት ንአባላትነት ሱዳን ካብቲ ሕብረት ኣጊዱ'ሎ። ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ፈላማይ ዑደት ይገብሩ ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ፈላማይ ዑደት ከምዝገበሩን፡ ብዛዕባ ቁጠባዊን ፋይናንሳውን ጉዳያት ከምዝዘተዩን ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣመልኪቱ። እቶም ሓለፍቲ ሚንስትሪ ገንዘብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ምስ ሓለፍቲ ፋይናንስ፡ ባንክን ክኢላታትን፡ ተራኺቦም ብዛዕባ ቁጠባን ፋይናንሳዊ ጉዳይትን ምዝርራቦም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣመልኪቱ`ሎ። እቶም ኣሜሪካውያን ሰበ-ስልጣን ሚንስትሪ ገንዘብ፡ ኣብ ኣስመራ ምስ ሚንስተር ገንዘብ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያምን ምስ ሓላፊ ኤኮኖሚ ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ምርኻቦም ብስእሊ ካብ ምርኣይ ሓሊፉ፡ ዝርዝር ዘተን ዝተገብረ ስምምዕ እንተሃልዩን፡ ካብ`ቲ ኤምባሲ ኮነ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተረኽበ መብርሂ የለን። ኢዜማ ፈላማይ አኼብኡ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ አካይዱ ሸውዓተ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ተዋሂዶም ዝፈጠሩዎ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ/ኢዜማ/ ዝተባህለ ፓርቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ፈላማይ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ኣብ ክንዲ ኣብ ብሄር ዘተኮረ ንዜግነት ቀዳምነት ከምዝህብ ዝገልፅ ሓድሽ ፓርቲ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ/ኢዜማ/ ኣብ ዝቕፅል ሃገራዊ ምርጫ ቅድሚ ምውድዳሩ ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ምርግጋእ ሃገር እዩ ክብል ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት’ቲ ፓርቲ ኣቶ ናትናኤል ፈለቀ ገሊጹ። “ቅድሚ ኩሉ ኣብ ኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ክፋላት ዝነብሩ ዜጋታት ብሰላምን ነፃነትን ወፂኦም ዝኣትውሉ፣ዝተረጋገአን ሰላም ዝሰፈኖን ናብራ ክነብሩ ዘኽእል ኩነታት የድልየና።ኢዜማ ነቲ ለውጢ ንምስካንን ሃገር ንምርግጋእን ምስ ኩሎም አካላት ብምትሕብባር ክሰርሕ እዩ።” እቲ ለውጢ ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝርእይ ትካላዊ መዋቕር ክህልዎ ከምዝሰርሕ እውን ወሲኾም ገሊፆም። እቲ ፓርቲ ንጌጋታት ምምሕዳር ዶ/ር ኣብይ ንምንቃፋ ተበግሶ ውሒዱዎ ንዝብል ኣብቲ መድረኽ ንዝቐረብ ሕቶ መልሲ ዝሃቡ መራሒ ናይቲ ፓርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ርእይቶ ካብ ምሃብ ኣይተቖጠብናን ኢሎም። “ኣብ ዝኾነ ጉዳይ መግለጺ ኣይነውፅእን ክንብል ከለና ንሪኦም ጌጋታት ነቲ መንግስቲ ኣይንዛረበሉን ማለት ኣይኮነን።ሎሚ ዝተዛረብኩዎም 30 ገፅ ዝኸውን ሽግራት ናይቲ ስርዓት ኣዳሊና ሂብናዮም ኢና።” ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ግን ኸአ ብሄር መሰረት ዘይገበረ ናይ ፌደራል መንግስትን ዞባዊ ምምሕዳርን ክህልውን ዞባዊ ምምሕዳር ድማ ብኣቀማምጣ መሬት፣ቋንቋ፣ባህሊ ስነልቦናዊ ምትእስሳር፣ታሪኽ፣ናይ ሃብቲ ዝርግሐን ፍትሓውነትን ንሃገራዊ ምርድዳእ ምችው ኩነታት ምፍጣርን ዝብሉ መሰረት ዝገበረ ክኸውን እዩ ድልየትና ኢሎም። ኣዲስ ኣበባን ናይ መን እያ ዝብል ሕቶ ናይ ዕቡዳት ሕቶ እዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ኣዲስ ኣበባ ናይ ነበርታ እያ ዝብል ዝፀንሐ መርገፂና እዩ፤ንመጻኢ እውን መርገጺና ኣይቕየርን ኢሎም። መርገፂ ኢዜማ መሬት ናይ ውልቂ፣ናይ ሓባርን ናይ መንግስቲ ክኸውን ኣለዎ ይብል ።ብመሰረት ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ መሬት ዘይሽየጥን ዘይልወጥን እዩ ዋንነቱ ድማ ናይ መንግስትን ህዝብን እዩ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ሰፊሕ ዝርግሓ ዘለዎ ዓመጽ ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ፈጺሞም ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ከሲሱ ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ሰፊሕ ዝርግሓ ዘለዎ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሰሜናዊ ሲናይ ፈጺሞም ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ከሲሱ። ወታሃደራዊ ሓይልታትን ፖሊስ ግብጺን ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ሰፊሕ ዝርግሓ ዘለዎ ዓመጽ ፈጺሞም ክብል ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ሁማን ራይትስ ዎች ይገልጽ። እቲ ሪፖርት ብተወሳኺ ገለ ካብቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ዓመጽ ምስ ገበናት ኩናት ክቁጸር ከምዝክእል’ውን ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ’ቲ ሪፖርት ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ኣንጻር ኣብ ሰሜናዊ ሲናይ ዝንቀሳቀሱ እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለታት ኣብ ዘካየድዎ ስርሒታት ኣብ ልዕሊ ሲቪል ነበርቲ’ቲ ዞባ ዘይሕጋዊ ተግባራት ፈጺሞም ክብል ይኸስስ። እቲ ሪፖርት ገለ ኣብቲ ቦታ ተፈጺሞም ዝበሎም ዓመጻት ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን መቕተልቲ፡ስቅያት፡ ብዘይፍቓድ ካብ መንበሪ ቦታ ምስጓግን ብሓፈሻ ምቕጻዕን ዝብሉ ይርከብዎም። ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ነዚ ዓመጽ ዝፍጽሙ ዕጡቓት ሚሊሻ ኣብቲ ዞባ ምውፋሮም’ውን እቲ ሪፖርት ይሕብር። እቲ ትካል ኣስታት 50 ጉዳያት ናይ ሃውሪ ማእሰርቲ ከምዝረኣየን 39 ካብኦም ሃለዋት እቶም ውልቀሰባት ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠ ይገልጽ። ብተወሳኺ ደቂ 12 ዓመት ህጻናት ዝሳቀየሉ መዳጎኒ ቦታታት ከምዝነበረ ካብ መሰካክር ሓበሬታ ምርካቡ ይሕብር። ሰበ ስልጣን ግብጺ ግን ነቲ ሪፖርት ይነጽጉ። እቲ ብዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዝወጸ ሓድሽ ሪፖርት ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቀስ አካል ዳዒሽ ዝኾኑ ጥሩፋ ጉጅለ እውን ጭውያን መቕተልቲን ይፍጽም ከምዝነበረ ሓበሬታ ምርካቡ ይገልጽ። ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሲናይ ዘጋጠመ ግጭት ኣብ 2013 ምስ ምውዳቕ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ምንባሩ ይዝከር። እቲ ሪፖርት ወሲኹ መንግስቲ ግብጺ ቀይሕ መስቀል ናብቲ ቦታ ክኣትው ከፍቕድን ክሳብ ኣብቲ ቦታ ዝፍጸሙ ዓመጻት ብምርመራ ደው ምባሎም ዝረጋገጹ ንመንግስቲ ግብጺ ዝወሃብ ሓገዝ ደው ክብል ይጽውዕ። ኣብ መቐለ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ተንቀሳቒሶም ብምባል ፖሊስ አሲርዎም ዝጸንሑ 11 ሰባት ተፈቲሖም ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ኩሓ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ተንቀሳቒሶም ብምባል ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዎም 11 ተጠርጠርቲ ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክፍትሑ ዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት ትማሊ ተፈቲሖም:: ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ካብ መንጎ ዝተፈትሑ ተኸሰስቲ ክልተ፡ ኣብ`ቲ ልዕሊ ወርሒ ዝወሰደ ናይ ማእሰርቲ ጊዜ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብሕማቕ ይትሓዙ ከም ዝነበሩ ድሕሪ ምምራር- ቤት ፍርዲ ንዝወሰዶ ውሳነ ግን ኣመጉሶም። ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ኩሓ ብቕድሚ ትማሊ ቤትፍርዲ ዝቐረቡ 11 ተጠርጠርቲ እቲ መጋባእያ 20 ሽሕ ብር ዋሕስ ኣቕሪቦም ክፍትሑ ምውሳኑ ይዝከር:: ብመስረት እዚ ኩሎም ተኸሰስቲ ዋሕስ ኣቕሪቦም ትማሊ ተፈቲሖም:: ንሓደ ወርሕን ሓደ ሰሙንን ተኣሲሮም ከምዝፀንሑ ዝተዛረበ ካብቶም ተኸሰስቲ ሓደ መምህር ፍቓዱ ጥላሁን ሓይልታት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቀፅፅር ኣብ ዘውዐለና መዓልቲ መጥቓዕቲ በፂሑና እዩ ኢሉ:: ተኣሲሮም ካብ ዝነበሩ ምክትል ኣካቢ ኮሚቴ ውድብ ዓረና ትግራይ ንሉኣላዊነትን ዴሞክራሲን ኣይተ ፅጋቡ ቖባዕ ይርከብዎም:: ኣይተ ፅጋቡ ከምተዛረብዎ ኣብ ማእሰርቲ እንከለው ሕክምና ንምርካብ ተኽልኪሎም ምንባሮም ይገልጽ:: ከይዲ ፍርዲ ብምጉታት ተኸሰስቲ ተኣሲሮም ዝፀንሕሉ ግዜ ንምንዋሕ መርማሪ ፖሊስ ተኸታታሊ ቆፀሮ የትሕዝ ነይሩ ዝበሉ መምህር ፍቓዱ ቤት ፍርዲ ግና እቲ ጉዳይ መሰል ዋሕስ ከምዘውህብ ተቐቢሉ ብዋሕስ ክንወፅእ ምውሳኑ ዝነኣድ ተግባር እዩ ኢሎም:: ፖሊስ ሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ : ፀረ ሕገመንግስቲ ምንቅስቃስ ብምግባር: ናይ ሓሶት ወረ ብምንዛሕን መናእሰይ ብምልዕዓል ዝብሉ ክስታት እዩ ኣቅሪብሎም:: ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ንምርካብ ንኣዛዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኲሓ ምክትል ኢንስፔክተር ገብረክርስቶስ ገብረመስቀል ንምርካብ ዝገብርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን:: ኣብዚ ጉዳይ ጠሚቱ ግን ቅድሚ ሐጂ እቶም ኣዛዚ ፖሊስ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ "ንከባቢና ረብሓ ዘለዎ ወፍሪ ፅርየት መናእሰይ ድሕሪ ምክያዶም ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ዝተንቀሳቐሱ ሰባት ብኣካላት ፀጥታ ስርዓት ክሕልዉ ተሓቲቶም ፍቃደኛ ብዘይምዃኖምን ሓሊፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ፀጥታ መጥቓዕቲ ንምፍጻም ብምንቅስቓሶም እዩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝኣተው" ምባሎም ይዝከር:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣብ ምፍራይ ኣልባሳት ዝነጥፍ ኩባንያ ኬይ ፒ ኣር ንልዕሊ 700 መንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣሩ ተገሊጹ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣብ ምፍራይ ኣልባሳት ንምውፋር ወሲኑ ናብ ስራሕ ዝኣተወ መሰረቱ ህንዲ ዝኾነ ኩባኒያ ኬይ ፒ ኣር ፍርያቱ ንዝኾነ ናይ ህጻናት ክዳውንትን ማልያታት ዛጊድ ብኽልተ ዙር ናብ ወፃኢ ዓዲ ምልኣኹ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ እቲ ትካል ትሰርሕ ፋና ተኽላይ እቲ ኩባንያ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ወፃኢ ፍርያቱ ምልኣኽ ምጅማሩ ትገልፅ:: ዛጊድ 244 ሽሕ ክዳውንቲ ናብ ወፃኢ እቲ ትካል ምልኣኹ እያ ተዛሪባ:: እቲ ፋብሪካ ኣብ ውሽጡ ንልዕሊ 700 መናእሰይ ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ኣሎ። ኣብቲ ፋብሪካ ካብ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣስታት 90 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን:: ኣብቲ ትካል ተቖፂራ ምስራሕ ካብ ትጅምር ሽዱሽተ ወርሒ ከምዝገበረት ዝገለፀት ብሪ ኣዲስኣለም ሰልጥና ወሲዳ ናብ ስራሕ ኣትየ ትብል:: በብግዝኡ ድማ ናይ መሃያ ወሰኽ ይግብረልና እዩ ኢላ:: ኣኽበረት ጥዑማይ ዝተባህለት ካልእ ሰራሕተኛ እቲ ትካል ከምተዛረበቶ ድማ እቲ ኢንዳስትሪ ፓርክ ኣብ ከባቢኣ ብምኽፉቱ ስራሕ ክትረክብ ከምዘኽኣላ ትሕብር:: ልዕሊ ክልተ ዓመት ስራሕ ከይረኸበ ፀኒሑ ኣብቲ ፓርክ ኢንዳስትሪ ስራሕ ብምርካቡ "ካብ ተፀባይነት ተለቒቐ ዓርሰይ ምኽኣል ጀሚረ " ዝበለ ድማ ብርሃኑ ወልዱ ዝተብሃለ ሰራሕተኛ’ቲ ትካል እዩ:: ኣካያዲ ስራሕ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣይተ ጎይትኦም ገብረኪዳን ኬ ፒ ኣር ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ፍርያት ካብ ዝኣተዉ ኩባንያታት ሓደ ምኻኑ ተዛሪቦም:: ኣብቲ ፓርክ ዘለዉ 15 ሼዴት ኩሎም ብሰብ ሃብቲ ከምዝተትሓዙ ኣብሪሆም:: ዛጊድ ሰለስተ ኩባንያታት ናብ ፍርያት ከምዝተሰጋገሩ ድማ ተዛሪቦም:: እቲ ፓርክ ንልዕሊ 2,000 ሰባት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ኣይተ ጎይተኦም ገሊፆም:: ፖርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ብልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ወፃኢ ዝተሃነፀ ኣብ ውሽጡ ንፋብሪካ ዝተዳለወ ሼዳት: ናይ ጉምርክ ጣብያን ባንክን ዝሓዘ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ መቐለ ዝተተኸለ ፓርክ እዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ከተማ ኩሓ ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር ተንቀሳቒሶም ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝጸንሑ 11 ሰባት ክፍትሑ ወሲኑ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኩሓ ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ተንቀሳቒሶም ብምባል ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ዝጸንሑ 11 ተጠርጠርቲ ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርድ ኣዚዙ:: ካብቶም ተጠርጠርቲ ኣባል ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ኣይተ ፅጋቡ ቖባዕን መምህር ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ነብዩ ስሑልሚኪኤል ይርከብዎም:: ሎሚ ሶኑይ ንራብዓይ ግዜ ኣብ ቤትፍርዲ ክፍለ ከተማ ኩሓ ዝውዓለ መጋባእያ ዝቐረበ ጉዳይ ተጠርጠርቲ ፖሊስ ምርመራ ዛዚሙ ንዓቃቢ ሕጊ ከምዘቕረበ ገሊፁ:: እቶም ጥርጡራት ብክስታት ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ፡ ፀረ ሕገመንግስቲ ኮይንኻ ብምንቅሳቀስ: ናይ ሓሶት ወረታት ብምንዛሕን ኣንጻር ህዝብን መንግስትን መናእሰይ ብምልዕዓል ኣብ ቐይዲ ምጽንሖም ፖሊስ ሓቢሩ። ተኸሰስቲ ጉዳዮም መሰል ዋሕስ ዘየኸልኽል ብምዃኑ እቲ መጋባእያ ነቲ ክትዕ ርእዩ ንነፍስ ወከፍ 20 ሽሕ ብር ዋሕስ ኣቕሪቦም ክፍትሑ ወሲኑ:: ህውከትን ዕግርግርን ንምፍጣር ተንቃሳቒሶም ኢሉ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዘውዓሎም ኣባል ኣመራርሓ ውድብ ዓረና ኣይተ ፅጋቡ ቖባዕን ኣብ ዪኒቨርሰቲ መቐለ መምህር ኮይኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ እንደርታን ከባቢኡን ዝነብር ህዝቢ ይብደል ኣሎ እዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ዝጽሕፍ ዝነበረ ነብዩ ስሑልሚኪኤል ይርከብዎም:: ተኸሰስቲ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ማእሰርቲ ምጽንሖም ይፍለጥ:: እቶም ብዋሕስ ክፍትሑ ዝተወሰነሎም ተጠርጠርቲ እዚ ዜና ክሳብ ዝተዋደደሉ እዋን ኣይተፈትሑን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ‘ሰብ ሕድሪ’ ዝተባህለ ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቀስ ሲቪል ማሕበረሰብ አባላተይ ይከላበቱ ኣለው ይኸስስ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቀስ ‘ሰብሕድሪ’ ዝተባህለ ሲቪል ማሕበረስብ ኣብ ዘካይዶም ህዝባዊ ኣኼባታት ብታሕተዎት ኣካላት መንግስቲ ኣባላተይ ይከላበቱ ኣለዉ ክብል ከሲሱ:: ኣቦ መንበር ሰብ ሕድሪ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ከተማ ፅጌሬዳ እቲ ሲቪል ማሕበረስብ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝተሳተፉ ነበርቲ ሓሳቦም ብነፃነት ስለዝገለፁ ብኣካላት መንግስቲ ይከላበቱ ኣለዉ ኢሎም:: ‘ሰብ ሕድሪ’ ትካል ሲቪል ማህበረሰብ ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ኣብቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ህዝባዊ ኣኼባ ከካይድ ምጽንሑ ይገልጽ:: ኣቦ መንበር ሰብ ሕድሪ ኣይተ መሓሪ ዮሃንስ ከምዝተዛረብዎ በብግዚኡ ኣብ ዝካየዱ ህዝባዊ ኣኼባታት ብፍላይ አባላት ታሕተዎት መሓውር መንግስቲ ኣባላትና የከላብቱን የፈራርሑን ኣለው ኢሎም:: ብተወሳኺ ናይ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተለኣአኽቲ ብምባል ስምና የጥፍኡ ኣለዉ ክብሉ ገሊፆም:: ክሳብ ሐዚ ዝበፅሑና ፀገማት ተፃዊርና መፂእና ኢና ዝበሉ ኣይተ መሓሪ ኮይኑ ግና ካብ ቀረባ እዋን እቲ ኩነታት እናተጋደደ መፂኡ ኢሎም:: ብፍላይ ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ከተማ ፅጌሬዳ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ዝተሳተፉ ነበርቲ ሓሳቦም ብነፃነት ስለዝገለፁ ብኣካላት መንግስቲ ይከላበቱ ኣለዉ ኢሎም:: እዚ ዓይነት ኣካሂዳ ንቐፃሊ ከይዲ ዲሞክራሲ ዘተዓናቕፍ ብምዃኑ ብቅልጡፍ ክእረም ይግባእ ኢሎም:: ህዝቢ ዝደልዮ ስራሕ ኣብ ክንዲ ምስራሕ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ብምጥቃም ንህዝቢ የፈራርሑ ኣለዉ ብምባል ተዛሪቦም:: ኣብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ፅጌሬዳ ፀገም ካብ ዘጋጠሞም ዝተባህሉ ሓደ ኣርኣያ ሓዱሽ ሰብ ሕድሪ ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ ተረኺቡ ፀገም እቲ ከባቢ ብምግላፁ ከምዝተኣሰረን ብድሕሪኡ ድማ ምፍርራሕ ከምዝበጽሖን ይሕብር:: ኣማሓዳሪት ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ወይዘሮ ኪዳን ተስፋይ ኣብቲ ጉዳይ ብስልክ ሓቲትናየን ተፈፂሙ እዩ ዝተባህለ በደል ትክክል ኣይኮነን ዝበላ ኮይነን ዝርዝር ጉዳይ ብስልኪ ምላሽ ንምሃብን ድምፀን ንክቕረፅ ፍቃደኛ ኣይኮናን:: ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣባል ቪኦኤ ክፍሊ ትግርኛ- ሽልማት ዳይሬክተር ትረክብ ኣብ ቪኦኤ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ክፍሊ ትግርኛ ንዲጂታላውን ማሕበራውን መዳይ ትመርሕ ዊንታ ወልደየሱስ ኪዳነ፡ ካብ ዳይሬክተር ድምጺ ኣሜሪካ ኣማንዳ በነት ናይ ብቕዓትን መንፍዓትን ሽልማት ተቐቢላ`ላ። ኣማንዳ በነት ዘውጽኣቶ መዐቅኒ፡ ኣብ ስራሕ፡ ብፈጠራውነት፡ ኣዓዋትነት፡ ሓቢርካ ምስራሕን ውጽኢታውነትን ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ`ዚ መዳይ`ዚ ብሉጽ ስራሕ ንዘርኣዩ ጋዜጠኛታት ኣፍልጦን ሽልማትን ዘውህብ`ዩ። ጋዜጠኛ ዊንታ ድማ፡ ክፍሊ ትግርኛ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ተጠቒሙ ቁጽሪን ዓይነትን ሰማዕቱ ከበርኽ ኣብ ምኽኣል ዝተጻወተቶ ተራ`ዩ ነዚ ሽልማት ዳይሬክተር ቪኦኤ ከብቅዓ ኽኢሉ። ብዛዕባ`ቲ ሽልማትን ትርጉሙን ምስ ዊንታ ኪዳነ ዝተገብረ ዕላል ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሕቡራት ሃገራት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾኑ ኣብ የመን ተታሒዞም ዘለው ስደተኛታት ክፍትሑ ይጽውዕ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት( IOM ) መብዛሕትኦም ኢትዮጵያዊያን ዝኾነ ኣብ ደቡባዊ የመን ሰብኣዊ ብዘይዝኾነ ኣተሓሕዛ ተአሲሮም ዘለው ስደተኛታት ክፍትሑ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። እቶም ስደተኛታት ዓለምለኸ ኣፍልጦ ካብ ዘለዎም ብስዑዲን ሕቡራት ኢማራትን ዝድገፍ መንግስቲ ዝቆጻጸሮ ከተማታት ዓደንን ላሂን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተታሕዙ ምኳኖም ተፈሊጡ’ሎ። ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን ኣብ ከተማ ጀነቫ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ ኣስታት 3,000 ስደተኛታት ኣብ ዓደንን ኣብያን ክፍለ ግዝታት የመን ኣብ መዳጎኒ ማእከል ተታሒዞም ኣለው” ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ ኣስታት 2,500 ስደተኛታት ኣብ ስታድዮም ከተማ ዓደን ተታሒዞም ከምዘለውን ሰራሕተኛታት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣብቲ ቦታ ዝትራእዩ ሕማማት ንምቁጽጻር ይቃለሱ ከምዘለው ሓቢሮም። ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓለውቲ ብዝተኾስዎ ጥይት ክልተ ስደተኛታት ምቁሳሎም ሓቢሮም ኣለው። ጆወል ሚልማን ትካሎም ኩነታት እቶም ኣብ ዘይሰብኣዊ ኩነታት ኣብ የመን ተታሒዞም ዘለው ስደተኛታት ከምዘተሓሳስቦ ኣይሓብኡን። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር ላሂ ተታሒዞም ዝነበሩ ኣስታት 1,400 ስደተኛታት ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝተፈትሑ ዝሕብር ጸብጻብ ከምዝረኸበን 14 ካብኦም ኣብቲ ቦታ ብዝተራእየ ሕማም ውጽኣት ምሟቶም ገሊጹ’ሎ። ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብወገኑ ኣስታት 237 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ከምዝምለስ ኣፍሊጡ’ሎ። ሕ/ሃ ካብ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ዝነበሩ 328 ስደተኛታት ምግዓዙ ሓቢሩ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ቃስር ቢን ጋሺር መዳጎኒ ማእከል ዝነበሩ 328 ስደተኛታት ናብ ዝሓሸ ውሕስነት ኣለዎ ዝበልዎ ካልእ መዳጎኒ ማእከል ዝሓለፈ ሰሙን ምግዓዞም ሓቢሮም። እቶም ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ትሪፖሊ ኣብ መንጎ ዕጡቓትን ሓይልታትን መንግስቲ ዝካየድ ኹናት ተቐርቂሮም ዝነበሩ ምኳኖም እቲ ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መስላት ኣምንስቲ ዳይሬክተር ጨንፈር ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን መግደሊን ሙገራቢ “ብዘይኻ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝጸንሓ ዓመጽ፡ ኹናት ንዝካየደሉ ቦታ ብዘለዎም ቅርበት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ’ዩ ጸኒሑ። ብርግጽ ኣብ መላእ ሊብያ ውሕስነት ዘለዎ ቦታ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን ካብ ሓደ መዳጎኒ ማእከል ናብ ካልእ ምግዕዓዝ መቐጸልታ’ቲ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲን ንካልእ ዓመጽ ዘቓልዕን’ዩ” ትብል። ንሰን ብተወሳኺ ኹናት ዝካየደሉ ከባቢ ከተማ ትሪፖሊ ካልኦት ሽዱሽተ መዳጎኒ ማእከላት ከምዘለው ይሕብራ። ኣመሓዳሪ’ቲ እቶም ስደተኛታት ዝገዓዝሉ ማእከል ፈትሒ ኣልፋር “ ቕድሚ ክልተ መዓልታት 700 ስደተኛታት ካብ ቃሲር ቢን ጋሺር ናብዚ መጺኦም ኣቐዲሞም 150 ስደተኛታት ኣብቲ ማእከል ጸኒሖም’ዮም። እዚ ንቁጽሪ ኣብቲ ማእከል ዘለው ስደተኛታት ናብ 900 ክብ ኣቢልዎ’ዩ። እዚ ድማ ዓብይ ቁጽሪ’ዩ። ዓለምለኸ ትካላት ሓገዘን ከበርክታ ንጽውዕ” ኢሉ። ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ኣብ ሊብያ ዝካይድ ዘሎ ኹናት ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 270 ሰባት ክሞቱ ከለው 1,300 ምቁሳሎም ይሕብር። መግለጺ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ክልላዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ሎሚ ግንቦት 1,2019 ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ኣድሂቦም ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገርን ወኪላት መሓውራት ዜና ወጻኢ ሃገራትን ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም። ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ብሞት ፕረዚደንት ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳን ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ዋልታ ፖሊስ ትግራይን ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ክልላዊን ሃገራዊን ዛዕባታት ብምሃብ ኣብ ጉዳይ ኢትዮ ኤርትራ'ውን መብርሂ ሂቦም። ኣብቲ መግለጺ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዘድሃበ ብደረጃ ፈደራል ዝበጽሖም ዘሎ ጽቕጥታት ብፍላይ ብቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሕልፊ ተጠቂምኩም ኢኩም ዝብሉ ክርክራት ከምዘካይዱ ሓቢሮም። ብዘይካ'ዚ ዶ/ር ደብረጽየን ኣሃዳዊ ስርዓት ንምትካል ዝግበር ርብርብ ሕጂ ኣጀንዳ እናኮነ ብምምጽኡ ኣብይ ጸገም'ዩ ኢሎም። ብዛዕባ ምስ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት ከም ህዝቢ ምሉእ ሰላም ክከውን ድልየትና'ዩ ብዘይካ እዚ ኩሉ ዶባት ክፉት ኮይኑ ክልቲኡ ህዝብታት ብሓባር ሰሪሑ ክልወጥ ኢና ባህግና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ተማሃሮ ባህርዳር ዩኒቨርሲቲ ማሕበር ተማሃሮ ኣምሓራ መስሪቶም ኣብ ከተማ ባህርዳር ካብ ኩሎም ካምፓሳት ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር ዝተዋጽ ኡ ተማሃሮ ማሕበር ተማሃሮ ኣምሓራ መስሪቶም። አካቢ ማሕበር ተማሃሮ ኣምሓራ ፈለቀ ምስጋናው ማሕበር ተማሃሮ ኣምሓራ ዛጊት ሃጺር ጊዜ ኣብ 20 ዩኒቨርሲቲታት ተመስሪቱ’ሎ። ዕላማና ንጊዚ ኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ተወላዶ ኣምሓራ ዝወርድ መጥቓዕቲ ንምክልኻል’ዩ፡ ነባሪ ድልየትና ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምሁራን ዝፈርይሉ ብፍልጠት ዝምራሕ ማሕበረሰብ ንምፍጣር እጃምና ንምብርኻት’ዩ ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ህዝባዊ መሰረት ከይሕዝን ክኹለፍን ምንቅስቃስ ይኻየድ’ሎ ክብል ቤት ምኽሪ ኢህወዲግ ኣፍሊጡ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ህዝባዊ መሰረት ከይሕዝን እንተተኻኢሉ እውን ክኹለፍን ዝፅዕሩ ሓይልታት ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለው ክብል ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣፍሊጡ።እቲ ቤት ምኽሪ ፅንፋዊ ብሄርተኝነት፤ስርዓት ኣልቦነትን ልዕልነት ሕጊ ዘይምኽባርን ፀገማት ሃገራዊ ሓድነትና እዮም ክብል ኣብቲ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።ነቲ ለውጢ ንምቕፃልን ንምስፋሕን ንምርጫ ዝቐርብ ዘይኮነስ ሕቶ ህልውና ሃገር እዩ እውን ኢሉ። 180 ኣባላት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ንኽልተ መዓልታት ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ትማሊ ድሕሪ ምዝዛሙ ዝበፅሖ መደምደምታ ዝምልከት ዘውጽኦ መግለፂ ወግዓዊ ገይሩ’ሎ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣኼብኡ ኣፈፃፅማ ሃገራዊ መስርሕ ለውጢ ዝርከበሉ ደረጃንን ዝተፈፀሙ ፖለቲካውን ውድባን ስራሓት ገምጊሙ’ሎ። ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ካብ ዝተዘራረበሎም ጉዳያት ሓደ ነቲ ለውጢ ኣብ ፈተና ዘውደቑዎ ብድሆታት ዝብል ይርከቦ።እቲ ለውጢ ህዝባዊ መሰረት ሒዙ ከይጉዓዝ እንተተኻኢሉ ድማ ክኹለፍ ዝፅዕሩ ሓይልታት ዝተዋደደ ምንቅስቓስ የካይዱ ምህላዎም ሓቢሩ።መን ምዃኖም ግን ኣየነፀረን።ምስዚ ተኣሳሲሩ ግን ጽንፈኛ ብሄርተኝነት፣ስርዓት ኣልቦነትን ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ፈተናታትን ፀገማት ሃገራዊ ሓድነትና እዮም ኢሉ’ሎ። እዞም ፀገማት እዚኦም ብሓባራዊ ቕልጽም ብምፍታሕ እቲ ለውጢ ምቕፃልን ምስፋሕን ንምርጫ ዝቐርብ ዘይኮነስ ጉዳይ ቐፃልነት ሃገር ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ'ሎ። ነቲ ለውጢ ዝፃብኡ ኣተሓሳስባታት ምዕራይን ምግታእን እዋኑ ዝሓቶ ቀንዲ ተልእኾ ምዃኑ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብሪሁ። ግጭታትን ዘይምርግጋእን እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ዝተዘራረበሎም ጉዳያት ኮይኖም መንቀሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን ዝኾኑ ብግልፂ ተፈሊዮም ብቕልጡፍ ክእረሙ ከምዘለዎም መንግስቲ እውን ሕጊ ናይ ምኽባር ቀንዲ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከምዘለዎ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ከምዝተብጽሓ መግለጺ እቲ ቤት ምኽሪ ይሕብር። ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ክልላትን መሓውራተንን ናይ ባዕለን ሕገመንግስታዊ ግቡአን ክፍፅማ ኣንፈት ኣቐሚጡ’ሎ።ብሰንኪ ግጭት ናይ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ጉዳይ እውን ምይይጥ ተገይርሉ’ሎ።እቲ ፀገም ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ጎኒ ንጎኒ ተመዛበልቲ ናብ መነባብርኦም ክምለሱ ክስራሕ ከምዘለዎ እቲ መግለፂ ሓቢሩ። ኣብ ርክብ ጉዳያት ወፃኢ ምስ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ባህላዊ፣ቁጠባውን ማሕበራዊን ምትእስሳራት ዘሐይሉ ዕድላት ጸቒጥኻ ኣብ ምጥቓም አሐይሉ ንምስራሕ ወሲኑ’ሎ። ኣብ መንጎ ኣባላት ኢህወዴግን ዘሎ ርክብ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዘሎ ዴሞክራሲን ናይ ኣመራርሓ ሓድነትን ብዝምልከት እውን ሰፊሕ ምይይጥ ከምዝተኻየደሉ እቲ መግለፂ ይሕብር። ኣብ መንጎ ኣሓት ውድባትን መሪሕነትን ይርአ ዘሎ ምጥርጣር ኣብ ምፍታሕ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ሓድነት ንምምፃእ ብዛዕባ ዝክኣለሉ መስርሕ’ውን እቲ ቤት ምኽሪ መኺርሉ’ሎ።ኣብዚ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ማእኸል ኣብ ዝገበሩ ጉዳያት ምርድዳእ ንምፍጣር ከምዝሰርሕ’ውን እቲ መግለፂ ሓቢሩ። በቲ ለውጢ ዛጊት ዝተመዝገቡ ዓወታት ዘስፍሑን ጉድለታት ዝእርሙን ምንቅስቓሳት ‘ግዜ ኣኺሉ’ ብዝብል መንፈስ ክፍፀሙ ከምዘለዎም ኣንፈት ኣቐሚጡ። ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ተበፂሑሎም፣ኣንፈት ተቐሚጡ ብዝብል ኣብቲ መግለፂ ዝተጠቐሱ ነጥብታት ዝተወሰንሉ ኣገባብ ግን ብምሉእ ድምፂ ዘይኮነስ ብኣብዝሓ ድምፂ ምዃኑ መግለፂ ኢህወዴግ ሓቢሩ’ሎ። መን ተቓዊሙ መንከ ደጊፉዎ ንዝብል ግን ብግልጺ ኣይተገልፀን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ጸጥታ ስግኣት ንምክልኻል ቅድመ ምድላዋት ይካየድ ምህላው ተገሊጹ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ክፍጠር ዝኽእል ናይ ጸጥታ ስግኣት ንምክልኻልን ቅድመ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ናይቲ ዞባ ሓላፊ ምምሕዳርን ጉዳያት ፀጥታን ኣፍሊጦም። ሓላፊ ምምሕዳርን ጉዳያት ፀጥታን እቲ ዞባ ኣቶ ቆያቸው ኣያሌው ኣብ ቀረባ ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞን ዞባ ሰሜን ሸዋ ዘጋጠመ ግጭት ህይወት ሰባት ዘጥፍአ ኮይኑ ናብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከይጋፋሕ ዝተዋደደ ስራሓት ቅድመ ምክልኻል ከምዘሎ ገሊፆም። “እቲ ዞባ ዝተፈላለዩ ብሄርን ብሄረሰባትን ዝነብሩሉ ስለዝኾነ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተው ሓፈሻዊ ምድላው ጌርና ኣለና።ሕብረተሰብ ናይ ከባቢኡ ሰላም ኣብ ምሕላው ተሓባቢሩ እንታይ ክሰርሕ ከምዘለዎ ብፍላይ ድማ እቲ መንእሰይ ዓብይ ሓይሊ ስለዝኾነ ናይ ከባቢኡ ሰላም ባዕሉ ክሕልው ከምዘለዎ ጠንቂ ሰላም ዝኾኑ ፀገማት ባዕሉ ክእርሞምን ኣለዎ።” ንሶም ብተወሳኺ ምርድዳእ ንምፍጣር ዝተፈላለዩ ናይ ዘተ መድረኻት ከምዝተዳለው ገሊፆም።ኣብቲ ዞባ ናይ ስግኣትን ግጭትን ምንጭታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝተበሃሉ ሽዱሽተ ወረዳታት ከምዝተፈልዩ’ውን ሓቢሮም።ካብ መድረኻት ምርድዳእ ብተወሳኺ ይውሰዱ ኣለዎ ዝበሉዎም ስጉምታት ድማ ከምዚ ክብሉ ኣረዲኦም። “ብኻልእ ወገን ኣብቲ ከባቢ ካብ ካልእ ዝመፁ ዘይፈልጡ ፣ካልእ ኣጀንዳ ሒዞም ዝጉዓዙ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብቐረባ እናተኸታተለ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓይሊ ስርሑ ክሰርሕ ብግልፂ ተዘራሪብና ኣለና።ዕጡቓት ሓይልታት ዝንቀሳቐሱሎም ከባቢታት ኣለው።እዚኦም ናብ ከባቢና መፂኦም ሓደጋ ከየውርዱ ኣብቲ ከባቢ ሓይሊ ኣብ ምውፋር ንርከብ።” ኣቶ ቆያቸው ኣያሌው ወረዳታት ስርሓት ፀጥታ ዝሰርሕ፣ንመናእሰይ ዘተሓባብርን ፀገም ኣብ ዘጋጥሞም ድማ ብቕልጡፍ ዝዋፍር ናይ ባዕለን ኮማንድ ፖስት ከምዝህልወንን ወሲኾም ገሊፆም።ሃይማኖት፣ብሄርን ፖለቲካዊ ኣፈላላያትን መሰረት ዝገበረ ኣብ መንጎ ህዝቢ ምትእምማን ክነግስን ደም ክፈስስን ዝገብሩ ኣካላት ኣለው እውን ኢሎም። “ሙስሊምን ክርስቲያንን ብብዙሕ መልክዑ ተኸኣኢሉ ዝነብርሉ ዞባ እዩ።ሓይልታት ጥፍኣት እዚ ተኸኣኢሉ ዝነብር ሕብረተሰብ ንምፍልላይ ሰፊሕ ምንቅስቓስ ይገብሩ ኣለው።ነቲ ከባቢ ንምሕማስ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ዝጀመርናዮም ስረሓት ኣለው።ኣብ ገሊኡ እውን ሕጋዊ ምርመራ ጀሚርና ኣለና።” ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ከተማ ኮምበልቻ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኮማንደር ያለለት ዘገየ ድማ ፀረ ሰላም ዝበሉዎም ሓይልታት ትካላት ሃይማኖት ዒላማ ገይሮም ናይ ምንቅስቓስ ምልክት ስለዘርኣዩ ኣብቶም ትካላት ጥቡቕ ሓለዋ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም። ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከባቢ ኣጣየን ማጀቴን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ፣ኣካል ምጉዳሉን ንብረት ምዕናውን ይዝከር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደል ዓዚዝ ተራኺቡ፡ ተዘራሪቡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ጽዑቕ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ከካይድ ዝቕነየ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ሎሚ ኣብ ሪያድ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደል ዓዚዝ ተራኺቡ። ኣብ`ቲ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ምፍራም ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ስዑዲ ዓረብ ዝተጻወተቶ ተራ ከምዘመስገኑ ናብ`ቶም ንጉስ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ምግላጾም፡ ሚንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ። ንጉስ ሳልማን ብወገኖም፡ ንሰላምን ጸጥታን`ቲ ዞባ፡ ስዑዲ ዓረብ ሓላፍነታ ከምትግንዘብን ንሓበራዊ ረብሓን ምትሕግጋዝን ከምትሰርሕን ከምዘረጋገጹ፡ ኣቶ የማነ ኣብ`ቲ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ጠቒሱ`ሎ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፡ ቅድሚ ናብ ስዑዲ ምቕንዑ፡ ግብጽን ሶማልያን በጺሑ ምንባሩ ይፍለጥ። ትግራይ፡ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ክጠቕም ዝጸንሓ ተክሊ ዓላሊሞ ጉድኣቱ ይበዝሕ ብምህላው ንምጥፍኡ ይሰራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ገለ ወረዳታት ማእከላይ ዞባ ዝርከባ ወረዳታት ብጠቃምነቱ ዝፍለጥ ዝነበረ ተክሊ ዓላሊሞ ጉድኣቱ እናበዝሐ ይመፅእ ስለዘሎ ንዕኡ ንምጥፋእ ይስራሕ ከም ዘሎ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ መራሒ ጉጅለ ክልኒክ ጥዕና ኣእዋምን ምክልኻል ባልዓትን ኣይተ ብርሃነ ለማ ገሊፆም። ኣይተ ብርሃነ ለማ ተኸሊ ዓላሊሞ ተኸሊ ዑፍ ቆሎ እናተባህለ ዝፍለጥን ምስ ቆጥቋጣት ዝምደብ ተኽሊ ምኳኑ ይገልጹ። ተኸሊ ዓላሊሞ ኣብ ትግራይ መዓስ ከምዝኣተወ ብንጹር ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፤ ሐዚ ግን ኣብ ወርዒ ለከ፣ ዓድዋ፣ታሕታይ ማይጨው፣ ዛናን ካልኦት ከባቢታት ትግራይ ከምዝርከብ ኣይተ ብርሃነ ወሲኮም ሓቢሮም። ተክሊ ዓላሊሞ ንነዊሕ ግዜ ከም ንሓፁር፣ መጋየፂ፣ ፍርኡ ንቆልዑ ምብላዕን ካልኦትን ጥቅምታት ክህብ ዝጸንሓ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን እናገነነ ምስ መፅአ ተወሳኪ መጽናዕትን ስራሓት ምክልኻልን ይስራሕ ከምዘሎ ኣይት ብርሃነ ወሲኮም ሓቢሮም፡፡ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available መግለጺ ክልል ኣምሓራን ግብረ መልሲ ክልል ትግራይን ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ኹናትን ጎንጺን ንክህልው ዝጉስጉሱ ኣመራርሓ ክልል ትግራይ ካብዚ ተግባር ይቖጠቡ ክብል ክልል ኣምሓራ ኣተሓሳሲቡ። ናይቲ ክልል ባይቶ መበል 12 ስሩዕ ኣኼብኡ ትማሊ ጀሚሩ፡ንዝቐረበሉ ጸብጻብ ሰላምን ጸጥታን’ቲ ክልል ገምጊሙ ተሪር ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ። ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼሽን ክልል ትግራይ ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ሕሰም ኹናት ስለዝርድኦም አጀንድኦም ምስፋን ሰላምን ዲሞክራሲን ሰናይ ምሕደራን’ዩ። ጠበንጅኡ ናብ ህዝቢ ኣምሓራ ዘቕንዓሉ ምክንያት ድማ የለን ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ መግለጺ ክልተኦም ክልላት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available መድረኽ ዘተ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ መቐለ ተካይዱ ኣብ መንጎ ምሁራት ትግራይን ኣምሓራይ ንሰላም ህዝብታት ዝዓለመ ዋዕላ ተኻይዱ።ዩኒቨርስቲ መቐለ ዘተሓባበሮ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ምሁራትን ትግራይን ኣምሓራን ስጡም ዝርርብን ሰላም ንምስፋን ዝዓለመ ዋዕላ ካብ 16-17 ለካቲት 2011 ዓ.ም ኣብ መቐለ ተካይዱ። ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ምሁራን ተሳቲፎም። ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝተካየደ ዘተ ሸሞንተ ዝኾኑ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ብዝተፈላለዩ ምሁራት ቀሪቦም ኔሮም። No media source currently available ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ማሕበረሰብ ሳይንስን ቋንቋታትን መምህርን ተመራማርን ዝኾኑ ብፍላይ ድማ ኣብ ምእላይ ጎንፂ ኣድሂቦም መጽናዕቲ ዘካየዱን ሓደ ካብ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ፎረምን ዝኾኑ ዶክተር ገብረየሱስ ተክሉ ዕላማ እቲ ፎረም ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ተፈጢሩ ዘሎ ምትሕርፋፍ ኣሊካ ሰላማዊ ሃዋህው ንምፍጣርን ሕውነትና ክልቲኡ ህዝብታትን ምሁራንን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ እዩ ይብሉ። ኣብ መዕፀዊ እቲ ፎረም ዝተረከቡ ፕረዚዳንት ዩኒቨርስቲ መቐለ ዶክተር ክንደያ ገብረሂወት ሰላም ናይ መወዳእታ ሽቶና ኣይኮነን። ድሕሪ ሰላም ድኽነትን ድሕረትን ንምጥፋእ እንገብሮ ቃልሲ እዩ እቲ ዝላዓለ ርብርብ ዝሓተና። ሰላም እተዘይዓሲሉ ድማ ምስ ድኽነትን ድሕረትን ንምግጣም ስለዘይጥዕም ኣብ ከባቢና ሰላም ክሰፍን ከም ምሁራት ክንረባረብ ይግባእ ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ እቲ ምትሕርፋር ናይ ህዝቢ ኣይኮነን ምኽንያቱ ናይ ህዝቢ እንተዝከውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓደ ትግረዋይ ኣይምነበረን ኣብ ክልል ትግራይ እውን ከምኡ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መርገሳን ምስ ነበርቲ ወረዳ ቤጊ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳን ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ቤጊ ምስ ነበርቲ ተመያይጦም። ኣብቲ ልዝብ ዝተዓደሙ ሓደ ነባሪ’ቲ ወረዳን ከንቲባ ከተማ ቤጊን መሓውራት መሰረት ልምዓትን ሰላምን ኸአ ቀንዲ ዛዕባ’ቲ ልዝብ ምንባሮም ተዛሪቦም ኣለው። ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዓምዲ ኢንተርነቱ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ከም ቀንዲ ጸገም ዘልዓልዎ ስእነት መሰረት ልምዓት’ዩ ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ነበርቲ ቡሬ፡ ድሕሪ ምኽፋት ጽርግያ ወደብ ዓሰብ፡ ህይወቶም ክመሓየሽ ምጅማሩ ይገልጹ ነበርቲ ዶብ-ከተማ ቡሬ፡ ድሕሪ ምኽፋት ጽርግያ ወደብ ዓሰብ፡ ህይወቶም ክመሓየሽን ንግዶም ክዕንብብን ምጅማሩ ይገልጹ። No media source currently available ብኻልእ ወገን ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ እዋን ወጥሪ ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተኣስሩና ኣባላት ቤተሰብና: ሰላም ስለዝወረደ ክፍቱሕልና ንሓትት ይብሉ። ተወልደ ወልደገብሬል ብሸነኽ ዓሰብ ናብ ቡሬ ተጓዒዙ፡ ምስ ነበርቲን ኣመሓደርትን ዝገበሮ ዝርርብን፡ ምስ ተመልሰ ዝረኸቦ ሓበሬታን ኣወሃሂዱ ዘዳለዎ መደብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሓውልቲ ቀዳማዊ ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተመሪቑ፡ተኸፊቱ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ንቀዳማዊ ሃጸይ ሃይለስላሰ ዝተሰርሓ ሃውልቲ ትማሊ ተመሪቑ፡ተኸፊቱ። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ንመበል 32 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ቀጽሪ ዝተረኽቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ስድራ’ቶም ሃጸይ ሃይለስላሴን ተረኺቦን ኔሮም። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመድ ድሕሪ’ቲ ምረቃ ሓውልቲ ኣብ መኽፈቲ ዋዕላ’ቶም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ሃጸይ ሃይለስላሴ ከምዚ ኢሎም። “ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓደ ወገን ናይ ኩዋማ ንኩሩማ በቲ ሓደ ወገን ናይ ሃጸይ ሃይለስላሴ ሃውልቲ ይረአ’ሎ። ናይዞም መስረቲ አቦታት ሕብረት መንፈስ ኩሉ ጊዜ ንሰናይ ስራሕ ከነቃቃሓናን ንኣፍሪቃ ክሕሉ እምነ” ኢሎም። እዚ ሓውልቲ ንሃጸይ ሃይለስላሴ ዝተሰርሓሎም ንምምስራት ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ብዝገበርዎ ዓብይ ቃልሲ ንምዝካሩ ምዃኑ ኣብቲ እዋን ምረቃ ተገሊጹ። ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ሎሚ ዓርቢ ባህር ዳር ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ናይ ክልል ኣምሓራ ኮሚሽን ስነ ምግባር ፀረ ብልሽውናንን ብገበን ጠርጢረዮም ኢሉ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዎም ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ሎሚ ዓርቢ ባህር ዳር ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።ኣቶ በረኸት እቲ ጉዳይ ይርኣይ ዘሎ ሕጋዊ ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ኣይኮነን፤ክሕተት ዘለኒ እውን ብናይ ገበን ሕጊ እምበር ብኣዋጅ ፀረ ብልሽውና ክኸውን ኣይግባእን ክብሉ ተኸራኺሮም። ናይ ሕጊ መማኸሪ ይኹን ጠበቓ ክረክብ ኣይክኣልኩን፣ቤት ፍርዲ ጠበቓ ይመድበለይ ክብሉ ሎሚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከተማ ባህር ዝቐረቡ ኣቶ በረኸት ስምኦን ጥርዓን ኣቕሪቦም። ኣቶ በረኸት ጉዳይና ሕጋዊ ስልጣን ብዘለዎ ኣካል ኣይርኣይን ዘሎ ዝበሉዎ መክራኸሪ ከቐምጡ ከለው ዳሽን ቢራ ብናይ ፌደራል ውዕልን መረዳእታን ከምኡ እውን ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ፌደራል ዝተመዝገበ ብምዃኑ ጉዳይና ክርአ ዘለዎ ብደረጃ ፌደራል እዩ፤ክንኽሰስ ዘለና እውን ብናይ ገበን ሕጊ እምበር ብኣዋጅ ፀረ ብልሽውና ክኸውን የብሉን ኢሎም። ምኽንያቱ ድማ ኢሎም ንሶም ተፈፂሙ ዝተባህለ ሕጊ ፀረ ብልሽውና ቅድሚ ምውፅኡ ቅድሚ 2007 ዓ/ም ምዃኑን ፤ሕጊ ፀረ ብልሽውና ኸኣ ቅድሚ 2007 ዓ/ም ዝተፈፀሙ ገበናት ብልሽውና ክርኣዩ ዘለዎም ብናይ ገበን ሕጊ እዩ ስለዝብል እዩ ክብሉ ተኸራኺሮም። እቲ ኮሚሽን ንዓና ንምኽሳስ ሕጋዊ ስልጣን የብሉን ኣለኒ ዝብል እንተኾይኑ ድማ ዓንቀፅ ጠቒሱ ኣየረድአን ክብሉ ቅሬትኦም ገሊፆም። መርማሪ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ናይ ገበን ኽሲ ስሩዕ ሙግት ክጅምር ከሎ ዝልዓል ከምዝኾነን ዝተጠርጠናሉ ገበን ግልፂ ኣይኮነን ንዝብል እውን ኣብ መንግስታዊ ትካል ልምዓት ንስራሕ ብዘይምቹው ኩነታት ብምምራሕ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ኣሰራሓን ረብሓን ጉድኣት ምውራድ ዝብል ከምዝኾነ ብግልፂ ተቐሚጡ’ሎ ኢሉ’ሎ። ናይቲ ክልል ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ብልሽውናን ኣብ ዝሃቦ መልሲ ብፍላይ ድማ ምስ መሸጣ ኣክሲዮን ዳሽን ቢራ ብዝተኣሳሰረ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ገንዘብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ሒሳብ ባንኪ ከምዝተቐመጠ ዝሕብር ጥቆማ ኣለኒ ነዚ ንምፅራይ ናይ ሰብን ሰነድን መረዳእታ ንምእካብ ተወሳኺ ግዜ የድለይኒ እዩ ኢሉ’ሎ። እቲ ኮምሽን ብብልሽውና ዝጠርጠሮም ኣቶ ታደሰ ካሳ ብወገኖም ናይታ ሃገር መንግስቲ ‘’እናፃረየ እዩ ዝኣስር’’ ብዝበሎ መሰረት እቲ ኮሚሽን ኣፃሪዩ ምስ ወድአ ኢና ክንሕተት ዘለና እምበር ተወሳኺ ናይ መፃረይ መዓልታት ክሓትት የብሉን ኢሎም ተኸራኺሮም።ነቲ ክርክር ዝሰምዐ መጋባእያ ብተጠርጠርቲ ንዝቐረበ ቅሬታ ውዱቕ ብምግባር መርማሪ ጉጅለ ዘቕረቦ ተወሳኺ 14 መዓልታት ብምፍቃድ ን15 ለካቲት 2011 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ። ኣብ መወዳእታ ኣቶ በረኸት ነቲ መጋባእያ ኣብዘቕረቡዎ ጥርዓን ኣብ ልዕለይ ይፍፀም ዘሎ ፖለቲካዊ ቑማር እምበር ሕጋዊ ዝኾነ ከይዲ ፍርዲ ኣይኮነን ክብሉ ኣብ ቀረባ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረብሉ እዋን ዘርኢ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወፀ ስእሊ ዝሓዘ ሰነድ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም።ሽመይ ይፅልም ኣሎ፤ስብእናይ ዘርስሕ ፀርፊ ይፅረፍ ኣለኹ ክብሉ ካልኦትን ብምቕራብ ጠሪዖም።እቲ መጋባእያ ንቕድሚት ምስቲ ቤት ፍርድን ምምሕዳርን ክንዘራረበሉ ኢና ክብል መሊሱ’ሎ። ናይቲ ክልል ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ብልሽውና ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን ብገበን ጠርጢረዮም ኣለኹ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ድሬዳዋ: ዝሓለፈ ወርሒ ዝተላዕለ ግጭት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 86 ተጠርጠርቲ ተፈቲሖም ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ በዓል ጥምቀት ምስ ዝነበረ ግጭት ብዝተኣሳሰረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝጸንሑ ተጠርጠርቲ 86 ሰባት ክሶም ተቋሪፁ ትማልን ሎሚ ዓርብን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውፅኦም ተፈሊጡ። ካብ መንጎ እቶም ዝተፈትሑ ኣሰልጣኒ ፌደረሽን ጉስጢ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኤፍሬም ነጋሽን ክልተ ኣባላት ኣመራርሓ ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ይርከቡዎም። ኣብ ጨንፈር ድሬዳዋ ምኽትል ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቶ ረድኤት ግርማይ ጉዳዮም ተፃሪዩ ንመጻኢ ዝፍትሑ ካልኦት ተጠርጠርቲ እውን ክህልው እዮም ኢሎም። 13 ጥሪ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ብዝነበረ ዕግርግር ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም ዝተወሰነ ንብረት ምዕናው ፖሊስ ገሊፁ እዩ።ልዕሊ 300 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ከምዝነበሩ'ውን ይዝከር። ንግዳዊ ንጥፈታት መስመር ኦምሓጀር-ሑመራ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመር ጽርግያ ኦምሓጀር-ሑመራ ብ7 ጥሪ 2019 ብክልቲኦም መራሕቲ ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቱ ፡ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዳግማይ ናይ ዶብ ንግድን ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባትን ምጅማሩ ነቲ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላምን ዝምድናን ዘሐይል ከምዝኾነ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነጋዶን መራሕቲ መካይንን ተዛሪቦም። እቲ መስመር ነዊሕ’ኳ እንተኾነ ሸርፊ ናቕፋ ስለዝሕግዞም ንነጋዶን ተጠቀምትን ዘርብሕ ከምዝኾነ እቶም ነጋዶ ገሊጾም። ኣብ መስመር ጽርግያ ኣስመራ-ደቀምሓረ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ ዕዳጋ መርሓኖ ናይ መግብን መስተን፡ ናይ ህንጻን ናይ ጽሬትን ሃለክቲ ነገራት መዓልታዊ ይኣቱ ኣሎ። ዋጋታት ናይ ሃለኽቲ ከከምቲ ጠለብን ብዝሒ ዝኣቱ ኣቕሑን መዓልታዊ መጠናዊ ለውጢ ከምዝገብር ዝገለጹ ነጋዶ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዋጋ ምስቲ ዝሓለፈ እዋናት ብምንጽጻር ዝሓሸ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ንፓርላማ ዝሃብዎ መብርሂ ገበነኛ ዝኾነ ሰብ ብግልፂ ክንቀሳቐስ እናርኣየ ንፍርዲ ዘየቕረበ ውልቀ ሰብ ኾነ ጉጅለ ብሕጊ ክሕተት እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣጠንቂቖም። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሰብ ቐቲልካ ኮነ ሰሪቕካ ንዘለኣለም ምንባር ኣይክኣልን ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ገበነኛታት ሒዞም ዘረከባ ክልላት ዘለዋ’ዃ እንተሃለዋ ጠፊኦምና ኢለን እናናደያ ዘለዋ እውን ኣለዋ ኢሎም። ዕጥቒ ከይፈትሑ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፖለቲካ ብዝምልከት እውን ብሰላም ሓድነትን ዴሞክራስን ኢትዮጵያ ኣይንደራደርን ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር ሎሚ ኣብ ፓርላማ ተረኺቦም ኣብዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ዓቓብ ሕጊ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ዝርኸብዎም 46 ሰባት ዓሌታዊ ግጭት ብምልዕዓል ከሲሱ ዓቓብ ሕጊ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ዝርከብዎም 46 ውልቀሰባት ዓሌታዊ ግጭት ብምልዕዓል ከሲሱ። ዓቓብ ሕጊ ነቲ ክሲ ዘቕረበ ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ምርመራ ምዃኑ ገሊጹ ከም ውጽኢቱ ድማ ዓብዲ መሓመድ ዑመርን እቶም ካልኦት 46 ተኸሰስቲ ጉጅለታት ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ ተወለዲ ክልል ሶማል ዘይኾኑ ነበርቲ’ቲ ክልል ናይ ሞትን ናይ ንብረት ዕንወትን ገበን ፈጺሞም’ዮም ይብል። እቲ ክሲ ብተወሳኺ ዓብዲን እቶም ሰበ ስልጣንን ተወላዶ ክልል ሶማል ኣብ ልዕሊ ዘይተወላዶ ሶማል ዝኾኑ ነበርቲ’ቲ ክልል ዝተፈጸሙ መጥቓዕቲ ብቀጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ ተሳትፎ ኔርዎም’ዩ ይብል። ዓብዲ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ናይ ጸጥታ ሓላፍቲ ነበር ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ክኾኑ ከለው ነፍሲ ወከፎም “ሕጊ መንግስታዊ ስርዓት ምጥሓስ” ዝብል ክሲ’ውን ቐሪብሎም ኣሎ። ኹሎም እቶም ክሲ ዝቐረበሎም ውልቀሰባት ዝመጽእ ሰሙን የካቲት 6 ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምላሾም ክህቡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕዳር ዓብዲ መሓመድ ዑመር ተቓወምቲ’ቲ ክልል ንምድምሳስ ብዝብል ብዝሒ ዘለዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ’ዩ ክብሉ ክኸሱ ምጽንሖም ይዝከር። ፕረዚደንት ክልል ሶማል ነበር ዓብዲ መሓመድ ዑመር ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕዳር ዓብዲ መሓመድ ዑመር ተቓወምቲ’ቲ ክልል ንምድምሳስ ብዝብል ብዝሒ ዘለዎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ’ዩ ይብሉ። ኢትዮጵያ: ኣብ ጎደናታት ኣብ ስራሕ ልመና ዝተዋፈሩ ሶርያዊያን አጊዳ ኢትዮጵያ ቁጽሮም እንዳወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ስራሕ ልመና ዝተዋፈሩ ሶርያዊያን አጊዳ። ምክትል ሓላፊ ክፍሊ ኢምግሬሽን ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ንኣሶሴይትድ ፕረስ ከምዝሓበርዎ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓይልታት ጸጥታ ሶርያዊያን ኣብ ጎደናታት ካብ ምልማን ንምእጋድ ይሰርሑ ኣሎ: ንሓጺር ጊዜ ተዓጊስና ኢና ሕጂ ግን ነዚ ዘይሕጋዊ መስርሕ ደው ከነብል ኢና” ኢሎም። ካብ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ታሕሳስ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣተው 560 ሶርያዊያን መብዛሕትኦም ቪዛኦም መዓልቱ ምስአኸለ ካብ ሃገር ይወጹ’ዮም።ኣብ ጎደናታት ምልማን ገበን እንተዘይኾነ ብቪዛ በጻሒ ናብ ሃገር እንዳኣተው ኣብ ጎደናታት ምልማን ግን ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም። ኣስታት 120 ሶርያዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ጽግዕተኛነት ምሕታቶም ይፍለጥ። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት’ውን ኢትዮጵያ ነቶም ሶርያዊያን ስደተኛታት ንምቅባል ኣብ ተካይዶ ጻዕርታት ከምዝተሓባበር ምግላጹ ይዝከር። ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ጎረቤት ሶማል: ደቡብ ሱዳን: ሱዳንን ኤርትራን ዝመጹ 900,000 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣዕቑባ ትርከብ። ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስደተኛታትን ክሰርሑን ክመሃሩን ዘክእል ሕጊ ምጽዳቃ ይፍለጥ። ኦነግ ወታሃደራቱ ናብ ካምፕ ከምዝኣትው ኣፍሊጡ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ወታሃደራቱ ናብ ካምፕ ንምእታውን ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ውዕል ሰላም ንምትግባሩ ይንቀሳቀስ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ብኻልእ ዜና አባላት እቲ ግንባርን ኣመራርሕኡን ደገፍቱን ኣብ መላእ ኦሮምያ ይእሰሩ ኣለው ክብል ሓቢሩ። ናይ ምዕራብ ኦሮምያ ኮማንድ ፖስት ምስቲ ኣብቲ ቦታ ዝተፈጥረ ጎንጺን ዘይምርግጋእን ንዝተጠርጠሩ ሰባት ምእሳሩ ከምዝቐጸለ ኣፍሊጡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ ዘራኽባ መንገዲ ዳግም ከምዝተኸፍተ ተገሊጹ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲ ዘራኽባ መንገዲ ዳግም ሎሚ ከምዝተኸፍተ ሰብስልጣን ክልል ሶማል ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።እቲ ፅርጊያ ዝተዓፀወ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ዓፋር ንዝተበፅሐ ምርድዳእ ብምጥሓስ ንኣባላት ብሄረሰብ ሶማል ድሕሪ ምዝንባሉን ን18 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን እዩ ክብል ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማል ኣቶ ኣደም ፋራሕ ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available "ብአና ወገን ዝጅመር ግጭት ኮነ ዝትኾስ ጥይት የለን" ኣመሓደርቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ብአና ወገን ዝጅመር ጎንጺ ኾነ ዝትኮሰ ጥይት የለን ክብሉ ፕረዚደንታት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ሎሚ አማስይኦም ገሊጾም። ምክትል ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤልን ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ነዚ ዝበሉ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ሰላም’ዩ። ኣብቲ ሎሚ ብጉባኤ ሃይማኖታዊ ትካላት ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ሂልተን ሆቴል ዝተኻየደ መደረኽ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ንሰላም ድልዋት ምዃኖም ገሊጾምም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ኣስመራ ኣብ ውሽጢ መደበር ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ጉድኣት ኣውሪዱ ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ውሽጢ መደበር ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ንብረት ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ።እቲ ሓደጋ ከባቢ ሰዓት 2:00 ናይ ለይቲ ከምዝጀመረን ካብ ሰዓት 2:30 ክሳብ ሎሚ ንግሆ ሰዓት 8:00 ሓሙሽተ መካይን መጥፋእቲ ሓዊ ኣዋፊሩ ብዝገበሮ ጻዕሪ ነቲ ሓደጋ ባርዕ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸርዎ ከምዝኸኣሉ ቤ/ጽ ኣሃዱ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ዞባ ማእከል ሓቢሩ። በቲ ሓደጋ ኣብ ሂወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየሎ ተፈሊጡሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሓይሊ ኣየር ኢንዶኖዥያ ናይ በረራ ክልል ጥሒሳ ንዝበላ ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ ሲንጋፖር ክትዓርፍ ምግዳዱ ሓቢሩ ክልተ F-16 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኹናት ኢንዶኖዥያ ናብ በረራ ክልል ብዘይፍቓድ ኣትያ ንዝበልዋ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ሎሚ ሶኑይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ባታም ሲንጋፖር ክትዓርፍ ምግዳዱ ወሃቢ ቃል ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ሓቢሮም። ወሃቢ ቃል ሓይሊ ኣየር ኢንዶኖዥያ ማርሻል ኖቭያንሳምዮጋ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እታ ቦይንግ 777 ናይ ጽዕነት ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብ መዓርፎ ነፋርቲ ባታም ሲንጋፖር ክትዓርፍ ካብ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ፍቓድ ምርኻባ ገሊጾም። እታ ነፋሪት ካብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ናብ ሆንጎ ኮንግ ተምርሕ ምንባራ ኣዛዚ መዓርፎ ነፈርቲ ባታም ሓቢሩ። ሰበ ስልጣን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እታ ነፋሪት ኣቐዲሙ ዘይተመደብ ህጹጽ በረራ ክትገብር ዝኸኣለት ሓደ ሞተር ነፋሪት ንጽገና ኣብ ሲንጋፖር ክተውርድ ስለዝነበራ`ዩ ዝብል ምላሽ ሂቦም ኣለዉ። ሰበ ስልጣን መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብኢሜል ኣብ ዝሃብዎ ግብረ መልሲ "እታ ነፋሪት ብመሰረት ስምምዕ ቺካኮ ለምለኸ ትካል ሲቪል ኣቭየሽን ዓንቀጽ 5 ኣቐዲሙ ዘይተመደበ በረራ ብመንገዲ ናይ በረራ ክልል ፈታዊ ሃገር ክትሓልፍ ትኽእል'ያ" ይብል። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እቲ ኩነታት ንመንገዲ ኣየር ኢንዶኖዥያ ከምዝሓብርዎም አባላት'ታ ነፋሪት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከቡን በረራኦም ከምዝቕጽሉን ሓቢሩ'ሎ። ኩነታት ዕዳጋ ከብቲን ጤለበጊዕ ቀበሌ 17 መቐለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ታሕሳስ 29 ወይ ጥሪ 7 ዝዝከር በዓል ልደት ድሕሪ ናይ ፆመ ታሕሳስ ዝኣቱ ብምዃኑ ንዕዳጋ ጠለበጊዕ ክዕምር ይገብሮ እዩ፡፡ ብመሰረት እዚ ናብ ዕዳጋ ብዕራይ ቀበሌ 17 ተንቀሳቂሰ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ንግዲ ከብትን ጠለበጊዕን ዝተዋፈሩ ውልቐ ሰባት ኩነታት ዕዳጋ ምስ ዝሓለፈ እናነጻጸሩ ከዋግዑኒ ሓቲተዮም ነይረ፡፡ ፈለማ ዘዛረብኩዎም ኣይተ ግርማይ ገብረሂወትን ኣይተ ተስፋማርያም ኣረጋውን እዮም፡፡ “ ከብቲ ብበዝሒ ኣትየን ኣለዋ፡ ተጠቃማይ ከም ድልየቱ ኣማሪፁ ንምዕዳግ ይክእል ኣሎ፡፡ ዋጋ እውን ካብ ዝተሓተ 8,000 ጀሚሩ ክሳብ 17,000 ይበጽሕ፡፡ ሰለዚ ተጠቃማይ ከከም ዓቅሙ ዝተኣናገደሉ ኩነታት እዩ ዘሎ፡፡ ምስ ዝሓለፈ በዓል እንክርአ ናይ 500.00 ብር ዝከውን ወሰክ ኣለዎ” ክብሉ ሓቢሮም፡፡ ቀፂለ ዘዘራራብኩዎ ኣብ ንግዲ ኣባጊዕ ዝተዋፈረ ነጋዳይ አዩ፡፡ ኣይተ ገረዝግሄር ካሕሳይ ይብሃል ፡፡ ኣይተ ገረዝግሄር ምስ ዝሓለፈ በዓል ሓዱሽ ዓመት ዋላ እውን ብኣምሓራ ክልል ተከልኪለን እናሃለወ ዝነበረ ዕዳጋን ሕጅን ቡዙሕ ኣፈላላይ የብሉን፡፡ ካብ 2,500 ክሳብ 4,000/ 4,500 ብር ይበፅሕ ኣሎ ናይ ልደት ዕዳጋ ስለዚ ቡዙሕ ናይ ዋጋ ኣፈላላይ የብሉን፡፡ ሎሚ ኣብ በዓል ልደት ግን ካብ ክልል ኣምሓራ ደሴ፣ አገውን ሰቀጣን ኣትየን ኣለዋ፡፡ ካብ ትግራይ እውን ካብ ኩሉ ከባቢ ስለዝመፅኣ ጽቡቅ ዕዳጋ እዩ ዘሎ ኢሎም፡፡ ብዘይካ እዚኦም ኣለነ ደሰታ ዝብሃል ዓዳጊ እውን ረኪበዮ ነይረ፡፡ ኣለነ ዕዳጋ ዝሓለፈ በዓል ቁዱስ ዮውሃንስን በዓል ልደት ከመይ ረኪብካዮ ኢለዮ፡፡ “እቲ ዕዳጋ ቡዙሕ ኣፈላላይ የብሉን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ በዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ካብ ክልል ኣምሓራ ናብዚ ምምፃእ ተከልኪለን ነይረን እየን?? ሕጂ ግን ካብ ደሴን ሰቆጣን ኣከባቢ ኣትየን ኣለዋ፡፡ ይኩን እምበር ምስ ዕዳጋ እንትነፃፀር ግን ቡዙሕ ኣፈላላይ የብሉን፡፡” ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ተዘዋዊረ ኩነታት ዕዳጋ ደርሁት እውን ንምፍታሽ ፈቲነ ነይረ፡፡ ዮውሃንስ መዝገበ ዝብሃል ነጋዳይ ደርሁ ረኪበዮ ዝሃበኒ ሓበሬታ ድማ፤ ዕዳጋ ቡዙሕ ዝጋነን ኣይኮነን፡፡ ዝተወሰነ ወሰክ እኳ እንተሃለወ ገዛኣይ ዘማርረሉ ግን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ በዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ካብ 280 – 300 ብር ዝሽየጣ ዝነበረ ሎሚ እውን ካብኡ ዝረሓቀ ኣይኮነን እቲ ዕዳጋ ድሓን ዘበሃል ደርሆ 350 ይበፅሕ ብድምር ግን ፅቡቅ እዩ ይብል፡፡ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡ No media source currently available ፈደራል ዓቃቢ ሕጊ ንኣቶ ጌታቸው አሰፋ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ምስ ክልል ትግራይ ይዘራረብ ምህላው ኣፍሊጡ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ናይ ሎሚ ፈነወ ተኸታተሉ። No media source currently available ኦዲፓ ምስ ክልተ ፖለቲካዊ ውድባት ሕብረት ንምፍጣር ይሰርሕ ምህላው ሓቢሩ ናይ ኦሮሞ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ/ኦዲፒ/ ኣብቲ ክልል ምስ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ብሓባር ንምስራሕ ዝኣተዎ ቃል ኣኽቢሩ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ገሊፁ። ሓላፊ ህዝባዊ ርክብ እቲ ፓርቲ ኣቶ ታየ ደንድኣ ሎሚ ከምዝገለፁዎ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ፓርትታት ብዝተፈላለዩ ደረጃ ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም ኣለው ኢሎም። ብጀነራል ከማል ገልቹ ምስ ዝምራሕ ናይ ኦሮሞ ብሄራዊ ፓርቲን ብኣቶ ኣባ ነጋ ጃራ ምስ ዝመራሕ ሓድነት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ’ሎ ኢሎም። ቅድሚ ሎሚ ብኣቶ ሌንጮ ለታ ምስ ዝመራሕ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ናይ ቴክኒክ ኮሚቴ ተጣይሹ እቲ ውህደት ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ ክብሉ እውን ኣረዲኦም። ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ ሕግታት ንሕብረትሰብ ተበጻሒ ዝገብር ማእከል ሓበሬታ ምድላው ሓቢሩ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሎሚ ዝወፁ ሕግታት ንሕብረትሰብ ተበፃሒ ዝገብር ማእኸል ሓበሬታ ምድላው ፌደራል ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣፍሊጡ። እዚ ናይ ሓበሬታ መዋህለሊ ማእኸል ካብ 1934 ክሳብ 2010 ዓ.ም ዝወፁ ሕግታት ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ክረክብ ከምዘኽእል ዝሕግዙ ምዃኖም ተገሊፁ’ሎ። ናይ ሰነዳት መረጋግፂን ምዝገባን ኤጀንሲ ኣሰራርሓ ንተገልገልቲ ብዝበለፀ ተበፃሒ ዝገብር ናይ ኢንተርኔት ኣሰራርሓ እውን ወግዓዊ ኮይኑ’ሎ።ከምዚ ዝበሉ ኣሰራርሓታት ኣብታ ሃገር ንዝተጀመረ መስርሕ ለውጢ ከምዝሕግዙ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ብርሃኑ ፀጋዬ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይ ከካይድዎ ዝቐነዩ ዑደት ዛዚሞም ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ትግራይ ምትእስሳር ንግዲ ይፈጥሩ ኣለዉ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓቢሮም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ዘካየድዎ ዑደት ብምዝዛም ኣብቲ ዑደት ዝጠመተ መግለፂ ሂቦም ኣለዉ። ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኩለን ዞባታት ዑደት ብምክያድ ምስ ተወከልቲ ህዝቢ ዘተ ኣካይዱ እዩ። ዶክተር ደብረፅዮን እቲ ዑደት ህዝቢ ክሳብ ወርሒ ሰነ እዚ ዓመት’ዚ ክፍተሐሉ ዝደልዮም ፀገማት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርዳእ ዝዓለመ እዩ ኢሎም ። ንሶም ኣብ ዝተኻየዱ መድረኻት ሕብረተሰብ ኣብ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ዘለዉ ፀገማትን ሓቢሩልና እዩ ኢሎም ። እቲ ዑደት ብዞባ ደቡብ ትግራይ ዝጀመረ ኮይኑ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ብምብጻሕ ተዛዚሙ። ዶክተር ደብረፅዮን ከምዝገለፅዎ ኣብ ዑደቶም ኣብ ልምዓት ዝተዋፈሩ ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣካላት ከምዝርኣዩን ጉዳኣት ኣካል እውን ዝሓሸ ለውጢ የመዝግቡ ምህላዎም ተዓዚብና ኢሎም። ዑደት ኣብ ዝገበርዎም ትካላት ኤርትራውያን ነጋዶ ምትእስሳር ንግዲ ይፈጥሩ ምህላዎም ከምዝተዓዘቡ ገሊፆም። እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ምስ ህዝቢ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዛዕባ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት እውን ምዝታዮም ገሊፆም። ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ናብ ንቡር ንምምላስ መንግስቲ ትግራይ ካብኡ ትፅቢት ዝግበረሉ ከበርክት እዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ተስፋን ስግኣትን አሎ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ተስፋ ንክዓዝዝ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ስዑዲ ዓረብ ሓድሽ አጋር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ትደልይ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዝርከቡ ሽድሽተ ሃገራት ሓድሽ አጋርነት ትደልይ ምህላዋ ተገሊጹ። ተወከልቲ የመን ጅቡቲ ሶማል ሱዳን የመንን ጆርዳንን ብረቡዕ ኣብ ከተማ ሪያድ ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡን ሓደ ጉጅለ ሰብ ሞያ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካይሮ ተራኺቦም ከምዝዝትዩ ተገሊጹ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣስታት 1150 ኪ.ሜ ገማግም ባሕሪ ትውንን ኤርትራን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበዝሓ ህዝቢ ዘለዋን ግን ኸአ ገማግም ባሕሪ ዘይትውንን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ ኣይተሳተፋን። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓደል ኣልጁቤር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል “እዚ እቲ ንግስነት ንረብሓታቱን ረብሓ ጎረባብቲ ሃገራትን ንምክልካል ዘካየዶ ጻዕርታት’ዩ ንምርግጋእ’ቲ ዞባን ኣብ መንጎ ሃገራት’ቲ ዞባ ውሕደት ንምፍጣር’ዩ” ኢሎም። ንሶም ብተወሳኺ’ቲ ዘተ ኣብ ጉዳያት ዘተ ቁጠባን ምዕቓብ አከባቢን ዝተኮረ ከምዝነበረ ሓቢሮም። ስዑዲ ዓረብ ቁጠባኣ ኣብ ነዳዲ ጥራይ ተሓጺሩ ከይተርፍ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ወፍሪ ተካይድ ምህላው ይፍለጥ። ኣብ ኤርትራ ዩኒሰፍ ዝተጸንበሮ ንጽርየት ዝምልከት ሃገራዊ ዋዕላ ተኻይዱ ብሽርክነት ዓለማዊ ውድብ ማዕከን ህጻናት ዩኒሰፍን፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራን ዝተወደበ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝሓንጸጾ ኣብ 2022 ኮም ዝሰረቱ ምሉእ ጥዕና ንምርግጋጽ ዝዕለመ ናይ ክልተ መዓልታት ሃገራዊ ዋዕላ፣ ሎሚ ተዛዚሙ። ኣብ`ቲ ኣብ ኣስመራ ፓላስ ሆቴል ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንመርሓ-ጎደና ኣብ ቀረብን ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድርን ሓፈሻዊ ሓለዋ ጽሬት ጥዕናን ዘተኮሩ ጉዳያት መብርህን መግለጽን ብሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራትን መንግስትን ቀሪቦም ኔሮም። No media source currently available ኣብ አዋሰንቲ ወረዳታት ኦሮምያን ቤንሻንጉልን ብዝተላዕለ ግጭት 6 ሰባት ሞይቶም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ምስ ቤንሻጉል ጉሙዝ ኣብ ዘዋስን ወረዳ ሃሮ ሊሙ ብዝተለዓለ ግጭት ካብ ዕጡቓትን ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ቤንሻንጉል ግሙዝን ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ። እቶም ዝሞቱ ኣብ ቤንሻንጉል ግሙዝ ወረዳ ያሶ ነበርቲ ሰላምን ምርግጋእን ናይቲ ከባቢ ዘተኣማምን ብዘይምዃኑ ናብ ምብራቕ ወለጋ ወረዳ ሃሮ ሊሙ ይሃድሙ ኣብ ዝነበርሉ እዋን መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀሞም ሽሙ ክጥቀሰሉ ዘይደለየ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ። 25 ሕዳር 2011 ዓ/ም ገበን ተፈፂሙና ዝበለ እዚ ምስክር ኣሽማት መወቲ ዘርዚሩ’ሎ።ሰኚ፣ሰለሞን፣ኣያንቱ፣ደበላ ዝተብሃሉን ካልኦትን ብግፍዒ ተቐቲሎም ኣለው ይብል። ነቲ ቕትለት ዝፈፅምዎ ሓይልታት ፀጥታ ቤንሻንጉል ምዃኖምን ብበሊሕ መሳርሕን ብረትን ከምዝፈፀምዎን ብምግላፅ ንሱ ግን ተሓቢኡ ከምዘምለጠ ሓቢሩ።እቲ ቅትለት ከምዝተፈፀመ ኣብ ወረዳ ሃሮ ሊሙ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ኣቶ ለሜሳ ገለታ ኣረጋጊፆምዎ ኣለው። ኣብ ስራሕ ሊስትሮ ዝተዋፈሩ ኣብነታዊያን መንእሰይ ከተማ መቐለ ሳሙኤል ገብረስላሴ ንዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ስራሕ ሊስትሮ ተዋፊሩ ይርከብ። ካብ ዝረኸባ መዓልታዊ 200 ይዓቁር ። ኣብ ስራሕ ሊስትሮ ተዋፊሩ ዝዓቖረ ቅርሺ ናብ ዱባይ ብምኻድ ክዳውንቲ እንዳምጸአ ድማ ይሸይጥ። ካልእ መንእሰይ ኪሮስ ስብሃቱ ዝተብሃለ ድማ ተመሳሳሊ ስራሕ ተዋፊሩ ይርከብ መዓልታዊ 100 ብር ይዓቁር ሰሙናዊ ድማ 500 ብር ዕቁብ ይከፍል። No media source currently available እቶም መናእሰይ ጉዕዞ ህይወቶምን ቐፃሊ ትልሞምን ብዝምልከት ኣዘራሪብናዮም ኣለና ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ስደተኛታት መዳጎኒ ማእከል "ሻርዕ ሲታ" ሊብያ እንታይ ይብሉ? ስደተኛታት መዳጎኒ ማእከል "ሻርዕ ሲታ" ሊብያ እንታይ ይብሉ? ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ጨንፈር ሊብያ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ መርበብ ሓበሬትኡን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን’ቲ ትካልን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ቤት ጽሕፈታቱ ስደተኛታት ንምምዝጋብ ምጅማሮም ይገልጹ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒ ማእከላይ ዝርከቡ ስደተኛታት መግብን ክዳውንትን ዝኣመሰሉ ሓገዛት ከምዘበርኽት ይሕብር። ይኹን ደአ እምበር ኣብ ‘ሻርዕ ሲታ’ ዝተባህለ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዝርከቡ ስደተኛታት ግን ዝኾነ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ወኪል መጺኡ ርእይዎም ከምዘይፈልጥ ዘይከም ካልኦት መዳጎኒ ማእከላት ብገንዘቦም’ውን ዘድልዮም ነገራት ንምግዛእ ኮነ ንካልእ ንጥፈታት ካብቲ ማእከል ክወጹ ከምዘይፍቐደሎምን ሰብኣዊ ብዘይዝኾነ ኣተሓሕዛ ተታሒዞም ከምዘለው ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም። ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሓ ኤርትራዊ ጆን ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣስታት 350 ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ስደተኛታት ከምዘለው ይገልጽ። ብሰንኪ ብዝሒ ሰብን ስእነት ሕክምናን እውን ዝበዝሑ ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ዘለው ስደተኛታት ከም ዓባይ ሰዓል ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብተደጋጋሚ ከምዝጥቕዑ ይገልጽ። ካልእ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ ሊብያ ተፈጢሩ ብዝነበረ ኹናት ሓድሕድ ካብቲ ዝነበሮ መዳጎኒ ሃዲሙ ናብዚ መዳጎኒ ዝመጸ ገሬ አባዲ ድማ ንዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ኣብቲ ቦታ ክነብር ምጽንሑ ብምግላጽ ብዛዕባ መነባብኦም እቶም ስደተኛታት ሓቢሩ’ሎ። እዚ ቃለ መጠይቕ ቕድሚ ክልተ ሰሙን ዝተኻየደ ኽከውን ከሎ ንቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ ምላሽ ንምርካብ ዘካየድናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይተዓወተን። እዚ ቃለ መጠይቕ ብተወሳኺ ብሕቡእ ቴሌፎን ዝተኻየደ ብምኳኑ ንዘለዎ ናይ ድምጺ ዘይንጹርነት ይቕሬታ ንሓትት። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ፖሊስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሶሳ ምስ ዝተፈጥረ ዕግርግር ሓደ ተጠርጣሪ ሒዘ ይብል ፈለጥቱ ግን ምስቲ ዕግርግር ርክብ ዘይብሉ ነጋዳይ እዩ ይብሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ኢትዮጵያ ይረአ ዘሎ ብሄር ተኮር ግጭት ተማሃሮ ብምቅዋም ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ትማሊ ሶኑይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።ብሄር መሰረት ገይሩ ዝካየድ ግጭት ብእዋኑ ክእረም ኣለዎ እውን ኢሎም። ፕረዚዳንት ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ዶ/ር ታደሰ ቀንኣ ናይ ኩሎም ተማሃሮ ብሄር ብሄረሰባት ብሓባር ወፂኦም ንዓና ኣይገልፀናን ክብሉ ምቅዋሞ ዝምስገን እዩ ኢሎም። ኣብ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ተኸሲቱ ዝነበረ ግጭት እውን ብሰላም ከምዝተፈትሐ ፖሊስ ከተማ ጎንደር ሓቢሩ። ብኻልእ ወገን ኣብ ዩኒቨስርቲ ኣሶሳ ህይወት ሰለሰተ ሰባት ምስ ዘጥፍአ ግጭት ብዝተኣሳሰረ ንሓደ ተጠርጣሪ ምሓዙ ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልላዊ መንግስቲ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ሰይፈዲን ሃሩን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓለ ብሓይሊ ምዃኑን ብምግላፅ ድሕሪኡ ብዝተኻየደ ፍተሻ ዝተፈላለዩ መረዳእታት ተረኺቡ’ሎ ኢሎም። ‘’10 ናይ ባንኪ ቼካት፤ሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ደብተር ሒሳብ ባንክታት፣ትሽዓተ ዲስክቶፕ ኮሚፒተራት፣ሓደ ላፕቶፕ፣ክልተ ፍላሽ፣16 ሲዲ፣ሕዚ ክንገልፆም ዘይንደሊ ካልኦት ዝጥርጠሩ ነገራት እውን ተታሒዞም ኣለው’’ኢሎም። ፖሊስ ብጥርጣረ ሒዘዮ እየ ዝበሎ ሰብ ኣብ ኣሶሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ንጥፈታት ማለት እውን ኣብ ኢንቨስትመንት ሕርሻ፣ምክራይ መኻይንን ናይ ኢንተርኔት ካፌን ይሰርሕ ዝነበረ ገሬ ወዲ ሴሮ ዝተብሃለ ነጋዳይ እዩ ዝበለ ሓደ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለን ዓርኩ ንገሬን እቲ ዝቐረበ ክሲ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ ክብል ይገልፅ።ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓለሉ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ምዃኑን ሕዚ እውን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበን ይገልፅ። ናይቲ ክልል ፖሊስ ዝሃቦ መግለፂ እውን ፖሊስ ናይ ገዛእ ርእሱ ፀገም ንምሽፋን ዘውፅኦ እዩ ይብል ብምውሳኽ። ገሬ ኣብቲ ከባቢ ብንግዲ ዝመሓደን ዘትርፍን ኢንቨስተር ብምዃኑ እቲ ሰላም ካብኡ ንላዕሊ ዝደልዮ ከምዘየለ ዝገለፀ ንሱ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣሶሳ እውን ኣሽንኳይዶ ሰላም ክዝረግ ኣብ ቀረባ ኣገልግሎት መጎዓዚያ ንምቕራብ ጨረታ ስዒሩ ውዕል ንምፍርራም ናብቲ ዩኒቨርስቲ ይመላለስ ከምዝነበረ አረጋጊጹ ይዛረብ። No media source currently available ዓርኪ ገሬ እየ ዝበለና ምሉእ ቃለ ምልልስ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ’ሎ።ገሬ ወዲ ሴሮ መዓዝ ከምዝተኣሰረ፣ከመይ ኣብ ቁፅፅር ከምዝውዓለ፣ከመይ ኣቢሉ ኸኣ ካብ ፖሊስ ወፂኡ ኣብ ናይ ንግዲ ትካሉ ኣትዩ ንፖሊስ ኢደይ ኣይህብን ከምዝበለ፣ኣብቲ ዕለት ኣብ ንብረት ተጋሩ ዝወረደ ዕንወትን ካልኦትን ዝርዝር ሓበሬታ ሂብና’ሎ። No media source currently available ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም No media source currently available ካልኣይ ሱሉሳዊ ኣኼባ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ኤርትራን ሶማልን ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ኤርትራን ሶማልን ከም መቐጸልታ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ኣስመራ ዘካየድዊ ሱሉሳዊ አኼባ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ከምዘካየዱ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ። ክልቲኦም መራሕቲ ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ብዝገበረሎም ዕድመ’ዮም ናብ ክልል ኣምሓራ ኢትዮጵያ ምብጻሕ አካይዶም። ኣብዚ ዑደት ሰለስቲኦም መራሕቲ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ዝሰርሕዎ ስርሓት ገምጊሞም ንመጻኢ’ውን ብሓባር ከምዝሰርሑ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available “እቲ ለውጢ ናይ ዶብ ውሳነ ምቕባልን ዘይምቕባልን ዘይኮነ፡ምልክት ምብቃዕ ናይ ዝሓለፈ መዋእል‘ዩ” ፕረ. ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ምዕባለን ምቕባል ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራን፡ውጽኢት ናይ ሳልሳይ መዋእል ዝበሃል ድሕሪ ምውዳእ ዝሑል ኵናትን ናጽነት ኤርትራን ዝተፈጥረ ዞባዊ ቅልውላዋት መኸተመታ ከምዝኾነን እዚ ሓድሽ ለውጢ ናይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምንጻግ ነቲ ዝጸንሐ ዝምድና ዝዘርግ፡ሰላም ዝኸልእን ኣካይዳ ዘይምቕባልን ውጽኢት ከምዝኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀዳም ምሸት ምስ ናይ ውሽጢ ሃገር መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ገሊጹ። እዚ ሓድሽ ለውጢ መሰጋገሪ መድረኽ ናብ ካልእ መዋእል ከምዝኾነን፡ትግባረ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንበይኑ ተነጺሉ ዝርአ ጉዳይ ዘይኮነስ ምስ ናይ ጎደቦ ሃገራት ሰላም ተኣሳስሲሩ ዝኸይድ ከምዝኾነ ፕረዚዳንት ኢሳይያስ ሓቢሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ቀ/ሚ ኣብይ ንቀላይ ጣና በጺሖም፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዙሪያ ቀላይ ጣና ጉድኣት የውርድ ዘሎ ‘’እንቦጭ’’ ዝተብሃለ ፃህያይ ንምዕዛብ ትማሊ ሰንበት ኣብቲ ቦታ ምብጽሖም ተገሊጹ። ነቲ ዝወርድ ዘሎ ጉድኣት ምስ ተዓዘቡ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ መንግስቲ ኣብ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረ ስጉምቲ ከምዝወስድ ሓቢሮም። ዶ/ር ኣብይ ኣብ ውቅር ኣብያተ ክርስቲያን ላሊበላ ብምብፃሕ ንህዝቢ ኣብዘስምዕዎ መደረ ላሊበላ ዝኣክል ዘደንቕ ዓለምለኸ ሓድጊ መሊስና ክንሃንፅ እንተዘይክኣልና እውን ምዕቃብ ግን ግቡእና እዩ ኢሎም። ብኻልእ ዜና ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ትማሊ ሰንበት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።ዕላማ ናይቲ ሰልፊ ናይ ወልቃይትን ራያን ሕቶ መንነት መንግስቲ ቕልጡፍ መልሲ ይውሃብ፣ንናይ ላሊበላ ሓድግታትን ፃህያይ እንቦጭን ፍታሕ ይውሃብ ዝብል ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ምዕራብ ጎጃም ንምርምር ካብ ዝኸዱ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ክልተ ተቐቲሎም ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዶክትሬት መዛዘሚ መፅናዕቶም ንምክያድ ናብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቆለላ ከተማ ኣዲስ ኣለም ዝተጓዕዙ ሰባት 13 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም ብዝተፈፀሞም መጥቓዕቲ ክልተ ተቐቲሎም ካልእ ሓደ ቆሲሉ ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ገሊጾም። እቶም ተማሃሮ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንምርምር ዝኸውን ናይ ሽንትን ሰገራን መርኣያ /ሳምፕል/ እናወሰዱ ከለው ‘’ሰለስተ ተማሃሮ ሞይቶም’’ ዝብል ናይ ሓሰት ወረ ብምዝርግሑ ብቑጥዐ ዝመፁ መናእሰይ ብእምንን በትርን ጨፍጪፎም ከምዝቐተሉዎም ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ዞባ ምዕራብ ጎጃም ኣቶ ኣንማው ዳኛቻው ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪቦም።ከምቲ ወረ ዝሞተ ሰብ የሎን ኢሎም። “ብሰንኪ ስምዒታዊ ዝኾኑ ሒደት መናእሰይ ንሳልሳይ ድግሪ መፅናዕቲኦም ንምክያድ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ ካብ ሓደ ቤት ትምህርቲ መርኣያ ሳምፕል ይወስዱ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ሞትን ሓደ ናይ ምቑሳል ጉድኣትን ኣብ ካልኦት ናይ መኪና ምቅፃልን ሓደጋ ወሪዱ’ሎ።” ህይወቶም ዝሓለፉ ወሰን ታፈረን ማንደፍሮ ኣብዲን ዝተብሃሉ ተወለድቲ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ምዃኖም ዝገለፁ ኣቶ ኣንማው:ኣቶ ሃይለየሱስ ዝተብሃለ ሰራሕተኛ ላብራቶሪ ቆሲሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ ሓቢሮም።ነዚ ፈፂሞም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ልዕሊ 30 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎምን ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከምዘሻቀሎ ሰማያዊ ፓርቲ ሓቢሩ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ናይ ስነ ሓሳብ ኣፈላላይ ክዕንቀፍ የብሉን ክብል ሰማያዊ ፓርቲ ኣፍሊጡ። ነዚ ተግባራዊ ንምግባር'ውን ኹሎም ሓይልታት ፖለቲካ ዝኻፈልሉ መድረኽ መንግስቲ ክዳለው ጸዊዑ። መንግስቲ ብወገኑ ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ቆሪጹ ከምዝተላዕለ ይገልጽ። ሰማያዊ ፓርቲ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺን ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዝረአ ዘይምርግጋእ ከምዘሻቀሎን ገሊጹ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available `ልዋም ቴክ-ሶልሽንስ`፡ ብወብ ኣፕሊከሽን ዘሰልጠኖም ኤርትራውያን ብሰርቲፊከት የመርቕ `ልዋም ቴክ-ሶልሽንስ`፡ ኣብ ኣሌክሳንደርያ ቨርጂንያ ዝርከብ ትካል ኮይኑ ነዚ ዘለናዮ ናይ ቴክኖሎጂ ዘመን ዝምጥን ስልጠና ንኤርትራውያን ንምሃብ ዝተበገሰ ማእከል`ዩ። ነቲ ናይ ስልጠና ማእከል ዝኸፈተ ክኢላ ፕሮግራማት-ቴክኖሎጂ-ኮምፒተር ኢንጅነር የዕብዮ መስፍን፡ ዝሓለፈ ሰንበት 6 ጥቅምቲ 2018 ብ `ፉል ስታክ ወብ ኣፕሊከሽን` ከምኡ`ውን `ወብ ደቨሎፕመንት` ዘሰልጠኖም ቀዳሞት ተማሃሮ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቑ`ሎ። ኣብ`ቲ ስነ ስርዓት ንኣሰልጠንትን ሰልጠንትን ኣዘራሪብና ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኤርትራዊያን በጻሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ልምዓት ከተማ መቐለ ዑደት አካይዶም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ትካላት ልምዓት ኤርትራዊያን ዑደት ኣካይዶም። ኤርትራዊያን ናብ ከተማ መቐለ በብውልቀኦም ዑደት ስለዝገብሩ ብሓባር ኮይኖም ዝሓሸ ሓበሬታ ንክረኽቡ እቲ ዑደት ከምዝተሰናድአ ምምሕዳር ከተማ ገሊፁ። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ብወገኖነም ከተማ መቐለ ካብቲ ትፅቢት ዝገበርዎ ንላዕሊ ዓብያ ከምዝረኸብዋ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ይፍጽም ኣሎ ትማሊ ምስ ወራሲ ዘውዲ ልዑል አቡዳቢን ምኽትል ኣዛዚ ሓይልታት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሃመድ ቢል ዛይድ ኣል ናሒያን ከምዝተራኸበ ምንጪታት ኣስመራን አቡዳቢን ሓቢሮም። ፕረዚደንት ኢሳያስን ሸኽ መሓመድን ኣብ ወፍሪ፡ ቁጠባዊ ምትሕብባርን ንክልቲኣን ሃገራት ዘገድስ ዞባዊ ጉዳያትን ከምዝተዘራረቡ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራን ኣፍሊጡ’ሎ። ሸኽ መሓመድ ኣብቲ ርክብ ነቲ ኣብ ጅዳ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምጓሱን ተጠቒሱ’ሎ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ምክትል ቀ/ሚ ኢማራት ዓረብ ሸኽ መንሱር ቢን ዛይድን ምስ ኻልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ምርኻቡ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ’ሎ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ዝሓለፈ ሰሙን መስከረም 16 ብናይ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደል ዓዚዝ ኣብ ዝተታአናገደ ዋዕላ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል ሰላምን ምሕዝነትን ከምዝተረፈራረማ ይፍለጥ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ ንሚንስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ይፍታሓዮ ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ ሚንስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዘለዎ ቦታ የፍልጥ፡ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኩነትን ድማ ይፈታሓዮ ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ`ሎ። ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ቅድሚ ትማሊ ሶኑይ ካብ ጽርግያ ኣስመራ ብኣርባዕተ ሰባት ተጨውዩ ዛጊት ደሃይ ከምዘይብሉ ወዲ ሓፍቱ ኣቶ ሰሎሞን ሃብቶም ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ`ሎ።ካብ ወገን መንግስቲ ግን ምርግጋጽ ኣይተኻእለን። ብኻልእ ወገን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዘለዎ ቦታ የፍልጥ ብቕልጡፍን ብዘይቅድመ ኩነትን ድማ ይፈታሓዮ ዝብል መልእኽቲ ዘርጊሑ`ሎ። ንሱን በዓልቲ ቤቱን ክፍትሑ ንጽውዕ ክብል ንድምጺ ኣሜሪካ ቃለ-መጠይቕ ዝሃበ ኣብ ኣምነስቲ ተመራማሪ ምብራቅ ኣፍሪቃ ኣቶ ፍስሃ ተክለ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣይ-ሰላም ኣይ-ኩናት ሃዋህው ምስ ተኣልየ`ውን ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ክመሓየሽ ኣይንርእን ዘለና ኢሉ። “ብርሃነ ኣብርሀ ሓሳቡ ብምግላጹ ምእሳሩ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተመሓየሸ`ዩ ዘርኢ። ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ኩነተ-ውግእ ወጺኤን ውዕል ሰላም ኣብ ዝተፈራረማሉ እዋን`ውን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኣካይድኡ ኣይተለወጠን። ብ G-15 ዝፍለጡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ኩሎም እሱራት ክፍትሑ፡ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣዋጅ ከብቅዕ፡ ከምኡ`ውን መስቀይቲ ከብቅዕ ንጽበ ኔርና። ግን እቲ ኣብ`ቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ተስፋ መንፈስ ንህዝቢ ኤርትራ ናብ ጭቡጥ ስጉምቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ክትርጎም ኣይረኣናን።” ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ`ቲ መግለጺኡ፡ ማእሰርቲ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ምስ ንስርዓት-ፖለቲካ ኤርትራ ዝነቕፋ ክልተ ተኸታተልቲ መጽሓፉ ምውጻእ ብምትሕሓዝ፡ በዓልቲ ቤቱ ኣልማዝ ሃብተማርያም`ውን ዝሓለፈ ዓመት ከምዝተኣሰረት ሓቢሩ` መንግስቲ ንክልቲኦም ብዝቐልጠፈ ይፍትሓዮም ክብል ይጽውዕ። ብዛዕባ`ዚ ወረ ማእሰርትን፡ ሕትመት መጽሓፍትን፡ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ርእይቶ ክንረክብ ኣይክኣልናን።ኣብ ዝረኸብናሉ ክነቕርብ ኢና።ከምኡ`ውን ኣብ ትሕዝቶን ሕቶ ርጡብነትን`ታ መጽሓፍ ዝተፈለየ ርእይቶ ኣብ ቀጻሊ ክነቕርብ ምዃና ንሕብር። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ምሉእ ትሕዝቶ መግለጺ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ምንባብ ይክኣል። ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንዝተፈጥረ ምሕዝነት ሞጉሱ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝተገብረ ርክብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ ተረኺቡ ንዘሎ ሰላምን ጸጥታን ተወሳኺ ስጉምቲ’ዩ ኢሎም። ብኻልእ ወገን ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ዝተገብረ ስምምዕ ዝርዝር ትሕዝትኡ ወግዓዊ ኮይኑ`ሎ። ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕብባርን ሰናይ ጎርብትናን ንምኽፋት ምስምምዖም ርኽብ ኤርትራን ጅቡቲን ንዝበለጸ ሰላም እቲ ዞባ ሓጋዚ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ። ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ነዚ ኣረጋጊጹ`ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ መራሕቲ ኤርትራን ጅቡትን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ከተማ ጅዳ ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም ድሕሪ ምዝርራቦም`ዩ። ክልቲኦም መራሕቲ ፡ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማንን ልዑል መሓመድ ቢል ሳልማን እቲ ርኽብ ክውን ንኸውንን ንዘካየድዎ ጻዕርታት ኣመስጊኖም ኣለዉ። ብኻልእ ሸነኽ ፡ኣብቲ ኣቐዲሙ ብሰንበት ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተረኺቦም ዝነበሩ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኖም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ርኽብ ኤርትራን ጅቡቲን ንዝበለጸ ሰላም እቲ ዞባ ሓጋዚ`ዩ ኢሎም ኣለዉ። ንሶም ብተወሳኺ “ እዚ ርክብ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ ተረኺቡ ዘሎ ሰላምን ጸጥታን ተወሳኺ ስጉምቲ’ዩ” ኢሎም። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ርክብ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝነበረ ውጥረት መፍትሒ ዝህብ፡ ነቲ ዞባ ድማ ንዝበለጸ ሰላም፡ምርግጋእን ምዕባለን ዘስጉም ክከውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ። ርክብ መራሕቲ ኤርትራን ጅቡቲን ዝተኻየደ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሸውዓተ ዓንቀጽ ዝሓዘ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ`ዩ። እቲ ስምምዕ ጅዳ ኩነተ ውግእ ምኽታሙ፡ሓዲሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን ምጅማሩ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካ ጸጥታ፡ ምክልኻል፡ ንግድን ወፍሪን ካልእን ክተሓባበራ፡ ከምኡ`ውን ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ወፍሪ ከማዕብላ፡ ክልቲኣን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክትግብራ፡ ከምኡውን ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ኣንጻር-ግብረ ሽበራን ብሓባር ክሰርሓ ዝጽውዕ ኾይኑ፡ ነቲ ስምምዓት ዝከታተላ ኮሚቴታት ከምዘቑማ ዝሕብር`ዩ ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available 'ኣብ ቡራዩ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ጉጅለታት ዝተወደቡ ምዃኖም መረጋገጺ ረኺበ' ፖሊስ ኦሮሚያን ፈደራል ፖሊስን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝለኣኾ ናይ ሓዘን መልእኽቲ፡ መንግስቲ ነቲ ፍጻመ ኣጻርዩ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣረጋጊጹ። ነዚ ኣብ ቡራዩን ከባቢኡን ዝተፈጸመ ንምኹናን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣርባምንጭን ሰልፊ ውዒሉ- ግጭት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ`ውን ጉድኣት ወሪዱ`ሎ። “ ሓደ ሓደ ሰባት ቦምብ ከይተረፈ ሒዞም ዝወጽሉ ምስ ቦምቦኦም ብሰብ ተጠቁሞም ብፖሊስ ዝተታሕዙ ኔሮም” ዝበለ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስ ዘይኑ ጀማል ካብ ፖሊስ`ውን ብረት ንምምንጣል ከምዝተፈተነ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ግንቦት-7ን ኦነግን ኢድ ከምዘለዎም ንምምሳል ተባሂሉ ዝተወደብ ኣካይዳ ከምዝነበረ`ውን ገሊጹ`ሎ። ብኻልእ ወገን ግንቦት-7ን ኦነግን ከምኡ ሰማያዊ ፓርትን ኤፈኮን ዝርከብዎም ሸውዓተ ውድባት ነቲ መጥቃዕቲ ዝኹንን፡ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ስጉምቲ ክውሰድ ዝጽውዕን ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ። መንግስቲ ክልል ትግራይ`ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጽባሕ ንዝኽበር ሓድሽ ዓመት ብዝምልከት ናይ ሰናይ ትምኒት መልእኽቶም ገሊጾም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክል ረይነር ጽባሕ ንዝኽበር ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ናይ ሰናይ ትምኒቶም መልእኽቶም ገሊፆም።ሓድሽ ዓመት ዓብይ ተስፋ ሒዙ እንተመፀ እውን ነባሪ ክኸውን ናይ ሓባር ፃዕሪ የድልይ ኢሎም። እቶም ኣምባሳደር ከምዚ ክብሉ መልእኽቶም ጀሚሮም። “ሰላም።ኣምባሳደር ማይክል እብሃል።ርሑስ ሓድሽ ዓመት ክኾነልኩም እምነ።ሓድሽ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ መላእ ዓለም ንባዕልትና፣ንስድራና ከምኡ እውን ንመሓዙትና ብሩህ ተስፋ ዘስንቕ እዩ።እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነብሩ ዝበለፀ ፅኑዕ እዩ።ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሃገሮም ይርአ ብዘሎ ሰላማዊ፣ኣሳታፊን ንፁር ራእይን፣ ብልፅግቲ ኢትዮጵያ ክትኾነሎም ሕጉሳት ምዃኖም ሰሚዐ ኣለኹ።” ኣምባሳደር ማይክል ብምቕጻል ሓድሽ ዓመት ዓብይ ተስፋን ዕድል ሒዙ እንተመፀ እውን ቀፃሊ ክኸውን እንተኾይኑ ግን ዋላ ሓደ መረጋግፂ ውሕስነት ኣይህብን ኢሎም። ዝሓሸ ፅባሕ ንምምፃእ ልዕሊ ተስፋ ዝኾነ ስራሕ ይሓትት እዩ፤መፃኢ ዓመት ንኢትዮጵያ ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝሓሸ ክኸውን እንተድኣ ኮይኑ ኩላትና ብፂሕትና ክነወፊ ይግባእ ኢሎም። ግልፂ፣ሃናፂ ሓሓሊፉ ድማ ኣፀገምቲ ልዝባት ዝሓትት እዩ፤ሰባት ተመሳሳሊ ሸቶ እንተለዎም እውን ናብ ዓወት ዘብፅሖም ነናይ ባዕሎም ዝተፈለየ ሓሳብ ክህልዎም ምቕባል ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። ብሓባር እንተሰሪሕና ካብ ዝሓለፈ ዓመት እዚ ዓመት ብርግፀኝነት ዝሓሸ ክኸውን እዩ ኢሎም። እቲ ኤምባሲ ንናይ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ዓወትን ንዝበለፀ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራትን ተራኡ ክፃወት ዓብዩ ድልየትን ድልውነትን ኣለዎ ክብሉ ብምግላፅ ሓድሽ ዓመት ናይ ሰላም፣ናይ ብልፅግናን ደስታን ክኾነልኩም ልባዊ ትምኒተይ እገልፅ ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ስሉሳዊ ኣዋጅ ምትሕብባር ኣብ ኣስመራ ፈሪመን መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማል ሱሉሳዊ ኣዋጅ ምትሕብባር ሎሚ 6 ነሓሰ,2018 ኣብ ኣስመራ ፈሪሞም። እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ህዝብታት እዘን ሃገራት ዘሎ ፖለቲካዊ፡ቁጠባዊ፡ማሕበራዊ፡ባህላዊን ናይ ጸጥታን ዝምድናን ንምምዕባል፡ ከምኡ`ውን ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ምዃኑ ሚኒስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ`ሎ። መንግስታት እተን ሃገራት ብተወሳኺ ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ንዝካየድ ጻዕርታት ዘተሓባብር ሓባራዊ ላዕለዋይ ኮሚተ ምምስራቶም ተገሊጹ`ሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሎሚ ነሕእሰ 6 ,2018፡ መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት መሪቖም ከፊቶሞ ኣለው። ድሕሪ ስነ ስርዓር ምክፋት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ብቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ፈጺሙ ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ’ሎ። ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ አዲስ ኣበባ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝኣተውሉ ብዛዕባ ናይ ቻይና ናይ ኤርትራን ዑደቶም መግለጺ ሂቦም ኣለው። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሶማልን ሎሚ ናብ ጅቡቲ ድሕሪ ምኻድ ምስ ናይ ጅቡቲ መዘነኦም ብዛዕባ ዞባዊ ምትሕብባር ድሕሪ ምዝታዮም ስምምዕ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተራእየ ሃንደበታዊ ማያዊ ውጽኣትን ተምላስን 10 ሰባት ሞይቶም ኣብ ትግራይ ሃንደበታዊ ማያዊ ውፃኣትን ተምላስን ካብ 11 ሰነ 2010 ዓመተ ምህረት ካብ ዝረአ ጀሚሩ 1266 ሰባት ምሕማሞን 10 ሰባት ድማ በቲ ሕማም ምሟቶም ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እቲ ሕማም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ዝርከብ ማይ ፀሎት ጥራሕ ኣብ 400 ሰባት ዝተርኣየ ኮይኑ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት እውን ኣሕሊፉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ስነ ስርዓት ምረቓ "ኣብራኽ" ዘርእስታ ሓዳሽ መፅሓፍ "ኣብራክ’’ ዘርእስታ ብኣቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ዝተፅሓፈት ናይ ኣምሓርኛ መፅሓፍ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት 20 ነሓሰ 2010 ዓ.ም ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሃዋርድ ዩኒቨርስቲ ተመሪቓ’ላ። እታ መፅሓፍ ፖለቲካዊ ልብ-ወለድ ኮይና ብዛዕባ ክልተ ኢትዮጵያዊያን ተወላዲ ትግራይን ተወላዶ ኦሮሞን ፍቑራት ምሁራት ሕጊ እተዘንትውን መፅሓፍ እያ።ፖለቲካ ኣብ ፍቕሪ፣ኣብ ስድራ፣ኣብ ማሕበረሰባት ብዓብይኡ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ይፈጥሮ ዘሎ ኣሉታዊ ተፅዕኖን ብእምነት እቲ ደራሲ ንቕድሚት እውን ዝፈጠሩ ስግኣትን ትዛረብ'ያ ይብሉ ነታ መፅሓፍ ዝገምገሙ። No media source currently available ኣብ ሬድዮና ብተደጋሚ እናቐረበ ፖለቲካውን ሕጋውን ትንታነታት ዝህበና ኣቶ ሙሉጌታ ኣረጋዊ ንዓመታት ኣብ ውሽጡ ከጨንቖ ዝፀንሐ ጉዳይ በዛ መፅሓፍ ኣቢሉ ከምዘውፅኦ ይዛረብ። ነታ መፅሓፍ ከምዘንበቡዋ ዝገለፁን ኣብቲ ስነስርዓት ዝረኸብኩዎምን ኣቶ በርሀ ስዩም ኣብርሃ እታ መጽሓፍ ናይ ብሄር ሽግር ማዕረ ክንደይ ኣብ ናይ ኢትዮጵያዊያን ናብራ ናይ ፍቕሪ ህይወቶም ከይተረፈ ጣልቃ ከምዝኣትው እተርእይ እዋናዊት መፅሓፍ እያ ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ቃለ መጠይቕ ምስ ናብ ኤርትራ ዝተጉዓዙ ነበርቲ ዛላምበሳ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም-ሰንበት ገለ ነበርቲ ዛላምበሳ ዶብ ሰጊሮም ምስ ኤርትራዊያን ንምርካብ ጻዕሪ ጌሮም ኔሮም። ሓደ ካብቶም ነዚ ጉዕዞ ካብ ዘካየዶ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ብምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል ተኸሲሱ ኢትዮጵያዊ ነባሪ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂንያ(ኣሜሪካ) ብክሲ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ተጠርጢሩ ኣሜሪካዊ ዜግነቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላው ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ንዋሽንግተን ፖስት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: እቲ መርጋ ንጉሴ ሃብተየስ ዝተባህለ ወዲ 58 ዓመት ኢትዮጵያዊ ዜጋ: ንናይ ኣሜሪካ ዜግነት ኣብ ዘመልከተሉ እዋን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ሂቡ ብዝብል ክሲ ዝሓለፈ ብዓርቢ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት እቲ ዝቐረበ ክሲ መርጋ ንጉሴ ኣብ እዋን “ቀይሕ ሽብር” ኣብ ቤት ማእሰርቲ መርማሪ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዝነበረን ኣብ መስርሕ ምሕታት ዜግነት ኣሜሪካ ድማ ሰባት ብሰንኪ ፖለቲካ መርገጺኦም ጽዑ ፍርዲ ሂብ ካ ትፈልጥ’ዶ ዝብል ሕቶ ኣሉታዊ መልሲ ብምሃቡ: እቲ ክሲ ከምዘመስረተ ክፍለጥ ተኻኢሉ። መርጋ ንጉሴ ናብ ኣሜሪካ ስደተኛ ኮይኑ ምእታውን በዚ ቀሪብሉ ዘሎ ኽሲ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ዜግነቱ ተመንጢሉ ናብ ሃገሩ ከምዝጥረዝ ብተወሳኺ ተገሊጹ። ዋሽንግተን ፖስት ግብረ መልሲ ክሱስ ንምር ካብ ዘካየዶ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ሓቢሩ’ሎ። ህዝብን መንግስትን ንሓድነት ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ክሰርሕ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ጸዊዓ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንሓድነት ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ህዝብን መንግስትን ብፅንዓት ደው ክብሉ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፀዊዓ። ብመሰረት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅድሱ ኣቡነ ማትያስ ነዚ ዝሓበሩንእዋናዊ ኩነታት እታ ሃገር ብዝምልከት ሎማዕንቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እዮም ። እታ ቤተ ክርስቲያን ንናይታ ሃገር ሃይማኖት፣ባህሊ፣ናይ ቅርሲ፣ፍልጠት፣ስነፅሑፍን ናይ ምክእኣልን ሓቢርካ ናይ ምንባርን ምልክት ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ወገን ተፅዕኖ ገይራ ከምዘይትፈልጥን ንኹሉ ብሰለማ፣ብፍቕርን ትምልከት እያ ኢሎም። ይኹን እምበር ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ግን ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክስቲያንን ብሄር ተኮር ኣሰቃቒ ይትረፍስ ክፍፅም ክሕሰብ ዘይኽእል ተግባር ኣብ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሌ፣ሻሸመኔ፣ጣና በለስን ካልኦት ከባቢታት ከምዝተፈፀሙ ሓቢሮም። ዛጊት ዝተፈልጡ ትሽዓተ ኣብያተ ክርስቲያን ምስ ምሉእ ንብረቶም ቤት ፅሕፈት ሃገረሰብከት ናይቲ ከባቢን ኣብያተ ትምህርቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ከምዝተቓፀሉን ሓሙሽተ ካህናት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝተቐትሉን ገሊፆም ኣለው። መንግስቲ ድሕነት ዜጋታትን፣ናይ ሃገስ ሰላምን ሓድነትን ንምሕላው ልዕልነት ሕጊ ከኽብርን ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት እውን ቅድሚ ኩሉ ንሓድነት ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም ። መናእሰይ እውን ብስምዒት ተደፋፊኦም ኣብ ልዕሊ ወገን ቅድሚ ምጭካን ደው ኢሎም ክሓስቡን ንማዕዳ መንግስቲ፣ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ክሰምዑን ሃገር እትምዕብለሉን ሰላማ ዝሕለወሉን ክሰርሑን ኣቡነ ማትያስ ፀዊዖም። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ክልል ሶማል ዝተፈጥረ ግጭት ደው ክብል ጸዊዑ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ዝተፈጥረ ጎንፂ ምኽንያት ብምግባር ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም መግለፂ ዘውፅአ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ግጭት ብህፁፅ ደው ክብል ፀዊዑ። ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ጠሚቱ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም መግለፂ ዘውጽኣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስት ክልል ኢትዮ-ሶማልን ዝተፈጥረ ፀገም ብዝተረጋግዐን ውሕሉል ብዝኾነን ኣግባብ ብምእላይ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብ ንምርግጋፅ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ፡፡ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available 'ኣብ ስግኣት ኣለና' ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ከተማ ፈንደቃ ጣና በለስ ፕሮጀክት ልምዓት ሽኮር ብቕድሚ ትማሊ ሰለስተ ስቪላት ምስተቐተሉን ሓደ ድማ ብከቢድ ድሕሪ ምቑሳሉን ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡን መንግስቲ ካብቲ ከባቢ ከውፅኦምን ተወልደቲ ትግራይ ሰራሕተኛታት ናይቲ ፕሮጀከት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም። ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሰለስተ ሰባት ብዘስካሕክሕ ከምዝተቐትሉ ገሊፆም ኣለው። ናይ ትግራይ ክልላዊ መንግስቲ እውን ነዚ መሰረት ብምግባር ትማሊ ሶኑይ ኣብዘውፅኦ መግለፂ መንነት መሰረት ንዝገበረ መጥቓዕቲ ብምኹናን ፌደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ኣብቲ ተግባር ንዝተሳተፉ ኣካላት ናብ ሕጊ ብምቕራብ መሃሪ ዝኾነ ስጉምቲ ክውሰድ ፀዊዑ’ሎ። ሕዚ እውን ኣብ ጭንቅን ስግኣትን ከምዝርከቡን ናይቲ ፕሮጀት ማናጀር ንኽረጋግዑ ከምዝገለፀሎም ኣውፅአና ኢሎም ምስ ሓተቱዎ ግን ናተይ ሓላፍነት ኣይኮነን ከምዝበሎምን ናይቲ ክልል ሰበስልጣን ይኹን ናይቲ ከባቢ ምምሕዳር መፂኦም ከምዘየረጋግኡዎምን ኣማሲዮም ገሊፆምለይ ኣለው። ናይቶም ዜጋታት ስግኣትን ካልኦት ተመሳሰለቲ ሕቶታትን ሒዝና ንወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ንምዝርራብ ፈቲና ኣብ ኣኼባ ብምንባሮም መብርሂ ክህቡና ኣይክኣሉን። እንተኾነ ግን ኣቶ ንጉሱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ገፆም ከምዝሓበሩዎ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብሄር መሰረት ዝገበረ ዝፍፀም መጥቓዕቲ ከምዘይዕገሶን ከምዘውግዝን ገሊፆም።ጉድኣት ንዝወረዶም ስድራ ቤት፣ህይወቶም ናይ ዝስኣኑ ስድራን ፅንዓት ይሃብ ኢሎም። ቅድም ክብል ንናይቲ ክልል መንግስቲ መራኸቢ ብዙሃን ብዝሃብዎ ሓበሬታ መሰረት ንዝወረደ ጉድኣት ዘፃሪ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኸ ገሊፆም ነይሮም።ሎሚ ኣብ ዘውፅእዎ ፅሑፍ ድማ ናብቲ ቦታ ዝተዋፈረ ጉጅለ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ክውዕሉ ተገይሩ ኣሎ ኢሎም ኣለው።ክንደይ ሰባት ኣብቁፅፅር ከምዝውዓሉን እንታይነት እቶም ኣብ ቁፅፅር ዝኣተውን ግን ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ንቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ድጋፍ ንምሃብ ሎሚ ኣብ ኮንሶ ሰልፊ ተኻይዱ ኣብ ክልል ደቡብ ብሄር ብሄረሰባት ህዝብታትን ኮንሶ ከተማ ካራት ንቀዳማይ ሚንስተር ንለውጥን ንምድጋፍን ሎሚ ሶኑይ ህዝባዊ ሰልፊ ተኻይዱ።ናይ ኮንሶ ምምሕዳር ብደጃ ዞባ ንኽጣየሽን ሎሚ እውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ንኽፍትሑ ሓቲቶም ኣለው። ኣብቲ ከተማ ካራት ዝተኻየደ ሰልፊ ካብ ዝተሓባበሩ ሓደ ኣቶ ገመቹ ገንፌ ካብ ዕላማታት’ቲ ሰልፊ ዝበልዎም ገሊጾም። ንለውጢ ብምድጋፍ ምስ ቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይን ናይ ለውጢ ሓይሊን ደው ምባል ዝብል ሓደ ዕላማ እዩ፣ካልኣይ ድማ ህዝቢ ኮንሶ ናብ ዞባ ክዓብይ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዘቕረቦ ምሉእ ሕቶ ክሳብ ሕዚ ምላሽ ስለዘይተውሃቦ ክሳብ እዚ ናይ መወዳእታ በጀት ዓመት ግብራዊ ክኸውን ንምሓታት እውን እዩ እዮም ዝበሉ። ናይታ ከተማ ምምሕዳር ብወገኖም እቲ ሰልፊ ብዘይፍቓድ ብሓይሊ እዩ ተኻይዱ ይብሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ኣብዱላሂ መሓመድ ጽባሕ ኣስመራ ክኣትው’ዩ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማል መሓመድ ኣብዱላሂ መሓመድ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ጽባሕ ቀዳም ኣስመራ ከኣቱ’ዩ። ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ኣብዱላሂ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት፡ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ንክልቲኦም ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ምዕባለታት ከምዝዝትዩ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጸብጺቡ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣዚዩ ዘሕጉስን ዘነቓቕሕን እዩ” ኣምባ. “ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣዚዩ ዘሕጉስን ዘነቓቕሕን እዩ” ኣምባ. ማይክል ረይነር ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ክኾኑ እዮም ተባሂሎም ዘይግመቱ ብርክት ዝበሉ ለውጥታት ይተኣናገዱ ኣለው ክብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ገሊጾም። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ “ናትና ኢትዮጵያ’’ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ዝተዳለወ ውድድር ቪዲዮ ትማሊ ኣብ ብሄራዊ ትያትር ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ ስነስርዓት ኣምባሳደር ማይክል ረይነር ኣብ ዝሰምዕዎ መደረ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ዘሕጉስ እዩ ኢሎም።እቲ ኤምባሲ ውድድር ቪዲዮ ክጋብዝ ከሎ መንነትን እንታይነትን ኢትዮጵያ ክነግሩና ንምትብባዕ ነይሩ ኢሎም። “ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣዚዩ ዘሕጉስን ዘነቓቕሕን እዩ።ዘሎ ብሩህ ተስፋ ክንርእይ ከለና፣ቀንዲ መሪሕ ቃል ናይቲ ቪዲዮ ክንሓስብ ከለና፣ዝምህሩና ሓድነትትን ምክእኣልን ክንሪኢ ከለና ኣድላይነቶም ዓዚዙ ይርኣየና።እዞም ቪዲዮታት ንሰላማውን ሃናጺን ፅምዶ ዘተባብዑ እዮም።እዛ ሃገር ሓድነታ ሓፍ ኣብ ምባል ክሕግዝ ተስፋ ንገብር።” ዴሞክራሲ ማለት መሰልን ነፃነት ጥራሕ ማለት ከይኮነስ ናይ ሓባር ሓላፍነት እውን ዝሓውስ እዩ ኢሎም። “ብቀዳማይ ሚንስተር ዝድፍአሎም ንዘለው ስጉምታት ዘደንቑን ዘተባብዑን ናይ ለውጢ ሓሳባት ቅርፂ ንምትሓዝን በብደረጅኡ ተግባራዊ ንክኾኑን ግዜ ክወስዱ እዮም።ግን ነቲ ከይዲ ምሕጋዝ ትኽእሉ ኢኹም።እዚኣ ናትኩም ኢትዮጵያ እያ።ሓላፍነት ምውሳን እትጉዓዘሉ ኣንፈት እውን ናትኩም እዩ።እዋኑ ባህጊ ዴሞክራሲ ባህጊ ናብ ግብሪ ዝቕየረሉ እዋን እዩ።እዚ ናይ ሕድ ሕድኩም ሓላፍነት እዩ።” ኣምባሳደር ረይነር ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ኣሎ ንዝበሉዎ ለውጢ ከም እትድግፍን ንምሕጋዝ ድልየት ከምዘለዋን ገሊፆም። “ንሕና ክንሪኦ ከለና መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያን ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ምሕዝነትን ብሩህ እዩ።ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንመፃኢ ዕድል ሃገሮም ዝሓስቡ እንተኾይኖም ነዚ እውን ድልዋት እንተድኣ ኮይኖም እዚ ውድድር ኣብዚ ዝተወሰነ ሓገዝ እንተድኣ ገይሮም ነዛ እትድነቕ ሃገርን ህዝባን ኩላትና እንምነዮ ብሩህ ተስፋ ከምዝዕወት ርግፀኛ እየ።” ኣብቲ ስነስርዓት ናይ ኢትዮጵያ ባህልን ቱሪዝምን ሚንስትር ወ/ሮ ፎዚያ ኣሚን ተረኺበን ኣለዋ። ኣብቲ ውድድር ቪዲዮ ካብ ምሉእ እትዮጵያ ዝመፁ 189 ሰብ ሞያ ፊልም ምስታፎም ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር።ሰለስተ’ውን ተዓዊቶም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሃገራውያን ጋንታታት ኲዕሶ እግሪ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክጋጠማ'የን ኢትዮጵያ: ነዳዲ ብዝተናውሐ ክፍሊት ክወሃባ ንስዑድ ዓረብ ሓቲታ ኢትዮጵያ፡ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሓደ ዓመት ቀረብ ነዳዲ ክትህባን ክፍሊት’ዚ ቀረብ ነዳዲ ድማ ንተወሳኺ 12 ወርሒ ክናዋሕ ምሕታታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ኣቶ ፍጹም አረጋ ትማሊ ረቡዕ ንኣገልግሎት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ቃል ዋሕዲ ባጤራ ወጻኢን ዘይብቑዕ ትሕተ ቅርጺ መጉዓዝያ ኣስታት 1.6 ሚልዮን ቶን ዝምዘን ኣቑሑት ኣብ ወደብ ጅቡቲ ክጸንሕ ኣገዲዱ’ዩ ኢሎም። “ ነዳዲ ንምእታው ኣብ ልዝብ ኣለና” ዝበሉ ኣቶ ፍጹም አረጋ “ ዝርዝር’ቲ መደብ ክስርሓሉ ዝግባእ’ዩ። እንተኾነ ብስሩዕ ዝተመደበ ውጥን ግን ኣቑሑት ንምእታውንን ተወሳኺ ባጤራ ወጻኢ ኣብ ምዕቓብን ኣበርኽቶ ክገብር ተኽእሎ ኣለዎ” ኢሎም። ዓለምለኸ ኮንፈረንስ ምሁራን ተወላዶ ትግራይ ኣብ መቐለ ይካየድ ኣሎ ዓለምለኸ ኮንፈረስ ምሁራን ተወላዶ ትግራይ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ አዳራሽ ሓውልቲ ሰማእታት ተጀሚሩ። “ትግራይ ናበይ?” ብዝብል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ኣብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣስታት 1,300 ምሁራን ይሳተፉ ኣለው። ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ትግራይን አቦ መንበር ህውሓት ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል’ውን ኣብቲ ኮንፍረስ ተረኪቦም መደረ ምስምዖም ተገሊጹ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኢጣልያ ስደተኛታት ዝጸዓና መራኽብ ኣብ ወደብ ሲሲሊ ክትኣትው ፈቒዳ 'ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ዘሎ ለውጢ ንምቕልባስ ምፍታን ከንቱ ባህጊ’ዩ' ቀ /ሚ አብይ አሕመድ ቀ /ሚ አብይ አሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ዘሎ ለውጢ ንምቕልባስ ምፍታን ከንቱ ባህጊ’ዩ ኢሎም። ንሶም ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃቡ ሎሚ ኣብ ዝተካየደ አኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ እታ ሃገር’ዩ። እቶም ቀ/ሚ ኣብ ናይ ሎሚ ዋዕላ ቤት ምኽሪ ንበጀት ቀጻሊ ዓመት ኣብታ ሃገር ይሳለጡ ዘለው ለውጢታትን ነቶም ለውጢ ንምትዕቓፍ ዝግበሩ ዘለው ሽርሒታት ዝበልዎም ጠቒሶም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ሁማን ራይትስ ዎች ‘ኦጋዴን’ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ስቅያት ብዝምልከት ጸብጻብ ኣውጺኡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ‘ኦጋዴን’ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ምክንያት ኣብ ዝተአሰሩ ሰባት ኣሰቃቂ ስቅያት ይፍጸም ኣሎ ክብል ዓለምለኸ ጉጅለ ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ዓለምለኸ ጉጅለ ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሰበ ስልጣናትን ሓይልታት ጸጥታን’ቲ ቤት ማእሰርቲ ንዓመታት ንእሱራት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ኣሰቅዮም’ዮም ኢሉ’ሎ። ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር አብይ አሕመድ’ውን ብዛዕባ’ዚ ተግባራት ስቅያት ብህጹጽ ምርመራ ክግበር ክእዝዝ ኣለዎ ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ከተማ አሶሳ ብዝተፈጥረ ግጭት 4 ሰባት ሞይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ከተማ አሶሳ ሎሚ ብዝተፈጥረ ግጭት 4 ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። ናይቲ ክልል ቴሌቭዥን ግን ሓደ ሰብ ጥራይ ምሟቱ ገሊጹ’ሎ። ብተወሳኺ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከምዝቆሰሉ ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ሎሚ ኣብ አሶሳ ዝተፈጥረ ግጭት አብ መንጎ መቦቆሉ ኣብቲ ክልል ዝኾነ ብሄረሰብን ተሓናፊጾም ዝነብሩ ብሄረሰባት ምዃኑን ፖሊስ’ቲ ክልል ምስ’ቲ ሓደ ወገን ብምዃን ተኹሲ ከፊቱልና ክብሉ ተዛሪቦም አለው። መንግስቲ’ቲ ክልል ምስ ካብ ፈደራል ዝመጹ አካላት ጸጥታትን ዓበይቲ ዓድን ይዘራረቡ ኣለው ክብሉ እውን ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም ኣለው። ምዕባለታት መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ልዑል ታሕጓስ ፈጢሩ`ሎ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ገሊጾም ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ልዑል ታሕጓስ ፈጢሩ`ሎ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ገሊጾም። እቲ ዘሕዝን ዝበልዎ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ከምዝተዓጽወ`ውን ይገልጹ`ለዉ። ትማሊ ምሸት ንኽብሪ ፍሉይ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶት፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ጸሊም-መጋረጃ ተቐንጢጡ ክብል ከሎ፡ ሚንስተር ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ዶብ-ዘይጋርደና ሓደ ህዝቢ ኢና ኢሉ። ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ፡ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐበለቶን ከምትትግብሮን ድሕሪ ምግላጻ`ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ አዲስ አበባ ኣትዩ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረአብ ዝርከብዎ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትዩ። No media source currently available እቲ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ኣቐዲሙ ሚኒስቴር ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለኣኾ ናይ ቲወተር መልእኽቲ: ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣስመራምብጋሱ ገሊጹ ነይሩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አሕመድ አቶ ፍጹም አረጋ ብወገኑ: ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ አዲስ አበባ ምእታውን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር አብይ አሕመድ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ አዲስ አበባ ተረኺቦም ከምዝተቐበልዎም ሓቢሩ። 500 ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ሲሲሊ ኣትያ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ካብ ገማግም ሊብያ ዘድሓኖም ብኣሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዝርከብዎም 500 ስደተኛታት ትማሊ ሶሉስ ሲሲሊ ምእታዎም ተገሊጹ። ነዞም ስደተኛታት ዝጸዓነት መርከብ ካብ ጸጋማዊ ፓርቲ ዝኾነ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነኑ መራኽብ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይዓርፉ ድሕሪ ምክልኻሉ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ወደባት ኢጣልያ ዝዓረፈት መርከብ’ያ። No media source currently available ኣብቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝተሳተፉ አባላት ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ 12 ሬሳታት ኣብ እዋን’ቲ ስርሒት ከምዝረአዩ እንተኾነ ድሕሪ’ቲ ስርሒት ነቲ ሬሳታት ክእኽብዎ ከምዘይኸአሉ ይግልጹ። ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ ሓድሽ ፖሊስ ኢምግሬሽን ንመሻርኽቲ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ከምዘቕርቡ ሓቢሮም ኣለው። 'ህዝቢ ባድመ ንውሳነ ኢህወዴግ ብምቅዋም ሎሚ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኡ ነይሩ' ኢሎም ክልተ ኣጋይሽና ነበርቲ ባድመን ከባቢኣን ሎሚ ሶኒ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝሓላፈ ሰሙን ዘሕለፎ ንትግባረ ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ኣመልኪቱ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝተቃወሙ’ ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ። ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ነበርቲ’ታ ከተማን ከባቢኣን ‘ፈጻሚ ስራሕ ኮሚቴ ኢህወዴግ ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያን ናብ ኤርትራ ንዘርክብ ውሳኔ ምሕላፉ ትማሊ ይኹን ሎሚ ተቐባልነት ዘይብሉ’ዩ’ ኢሎም ካብ ኣዳለውቲ’ቲ ሰልፊ ሓደ ኣቶ ወልደጊዮርጊስ ወልደማርያም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል። ኣማሓዳሪ ባድመን ከባቢኣን ናይ ዝርከበላ ታሕታይ ኣድያቦ ኣቶ ሙሉ መብራህቱ ብወገኑ ‘መሪሕነት ህወሓት ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉዳይ ኣከታቲሉ መምርሒን መግለጺታትን እናሃበሉ ስለዝርከብ፣ ንቕድሚት’ውን እንተኾነ ሕቶ ህዝቢ ብመንጽር’ቲ ውድብ ዘውርዶ መምርሒን መግለጺን መልሲ ክረክብ’ዩ’ ኢሉ’ሎ። No media source currently available ዘተ፡ ኣብ ውሳነ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንምትግባር ስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን(2ይ ክፋል) መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ተቐቢሉ ክትግብሮ ከምዝወሰነ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ትማሊ ምፍላጡ ይዝከር። እዚ ውሳነ ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ዓመታት ዘንጸባረቖ መርገጺ ዝተፈልየ ምዃኑ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ፡ ንኣርባዕተ ምሁራት ማለት ንኣቶ ኣሉላ ሰሎሙን፡ ኣቶ ኢብራሂም ዓብደልኑር፡ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ፡ ዶ/ር ዓወት ወልደሚካኤል ኣዘራሪቡ'ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣቶ እንዳርጋቸው ጽጌ ምስ ቀ/ሚ ኣቢይ ተራኺቦም "ናብ ቃልሰይ ክምለስ`የ" ብቅድሚ ትማሊ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ዋና ጸሓፊ አርበኞች ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ አወንታዊ ምይይጥ ከምዝገበሩ ገሊጾም። ንሶም ብተወሳኺ ዝጀመርዎ ቃልሲ ከምዝቅጽልዎ’ውን ኣፍሊጦም። አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መጠይቅ ቅድሚ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ የመን ሰንዓ ብኸመይ ሓይልታት ጸጥታ የመን ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ኣሕሊፎም ከምዝሃብዎም ክገልጹ ከለው ብመንገዲ ኣየር የመን ስለዝተጉዓዙ ዝፈልጥዎም ሰባት ርእዮም ናብ ኢትዮጵያ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ቀሊል’ዩ ድሕሪ ብምባል ከምዚ ኢሎም። No media source currently available “ኣብዚ በረራ’ዚ አሎ ዝብል መልእኽቲ ናብ ደሕንነት ኢትዮጵያ ንምትሕልላፍ ሰባት ብቀሊሉ ዝኽእልሉ ኩነታት’ዩ ዝኾነ ይኹን ውዲት ኣይረኣየንን። ናይ አጋጣሚ’ዩ እዚ ምስ ፈለጡ ኸአ ንደሕንነት የመን ክከፍልዎ ዝኸአሉ ኹሉ ኸፊሎም ብገንዘብ ዝሰርሕዎ ስራሕ’ዩ ዝመስለኒ ካልእ ውዲት ወይ ምስጢር ዘለዎ ነገር ኣይኮነን ኣነ ክሳብ ዝርደኣኒ።” ትርጉም ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ቃለ መጠይቅ አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ኣብ ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሴ ዝተኻየደ ሱሉሳዊ ልዝብ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ተገሊጹ ኢትዮጵያ፡ግብጽን ሱዳንን ከኻይድዎ ዝጸንሓ ትማሊ ለይቲ ዝዛዘመን ዝርርብ ሰለስተ ሃገራት ውፅኢት ኣምፂኡ ክትብል ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ። ሊቃውንቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣመላልኣ ማይ ግድብ ህዳሴ ብሓባር ከፅንዕኦ እዩ ኣብ ዝብል ምርድዳእ ከምዝተበጽሓ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ትማሊ ሚንስትራት ወጻኢ ጉዳያት ሃብቲ ማይ ሰለስቲኣን ሃገራት ዘካየድኦ አኼባ ክሳብ ለይቲ ተኻይዱ ውጽኢት ተረኺብዎ ክብሉ ሚንስትር መስኖ፡ማይ፡ጸዓትን ዶ/ር ስለሺ በቀለ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። “ኣብ ኣመላልኣ እቲ ግድብ ዘሎ ስርሓት መምርሒታት መራሕቲ እውን ብዝሃብዎ ኣንፈት ኣብኡ ብምትዃር ካብ ሰለስቲአን ሃገራት ሓሙሽተ ሊቃውንቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣፅኒዖም ዝተፈለየ ኣማራፂ ሓሳባት ከምፅኡ እንተኽኢሎም ነዚኦም ኣብ ግምት ንምእታው እዩ።” ግብጺ ኣመላልኣ’ቲ ግድብ ዝግበር መጽናዕቲ ብሳልሳይ አካል ክካየድ ክትሓትት ጸኒሓ’ያ። እዚ ናይ ትማሊ ስምምዕ ግን ካብዚ ዝተፈልየን ናብ ቅኑዕ መስመር ዝቕንዓን’ዩ ክብሉ እቶም ሚንስትር ገሊጾም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available አዲስ አበባ፡ ኣብ ከባቢ ላፍቶ 6 ሽሕ አባይቲ ምፍራሱ ነበርቲ ይኸሱ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ከባቢ ንፋስ ስልኪ ክፍለ ከተማ ላፍቶ ብፍላይ ድማ ሃና ማርያም ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ካብ 6 ሽሕ ዘይውሕድ አባይቲ ከምዝፈረሰ ተበዲልና ዝብሉ ነበርቲ ገሊጾም። እዞም ነበርቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ካብ መንግስቲ መፍትሒ ኣይረኸብናን በዚ’ውን ተማሪርና ኢና ክብሉ ገሊጾም።ንሶም ወሲኾም እቲ ከይዲ ምፍራስ አባይቲ ኣይተቋረጸን’ውን ይብሉ። ካብ ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ከተማ አዲስ አበባ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል። No media source currently available ፕረ.ባይደን ሃገራት ምዕራብ ንዩክሬን ደገፎም ምሃቦም ገሊጾም ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፣ ሩስያ ንዩክሬን ዝወረረትሉ መበል ቀዳማይ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ወቕቲ፣ ኣብ ፖላንድ ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም። ኣቐዲሞም ናይ ሓሙሽተ ሰዓታት ምብጻሕ ኣብ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪየቭ ዘካየዱ ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ተራኺቦም፣ ተወሳኺ ወትሃደራዊ ድጋፍ ከምዝዋሃብ ገሊጾም። ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩስያ ሎሚ ኣብ ዋርሳው ፖላንድ መደረ ዘስምዑ ፕረዚደንት ባይደን “ብፍርሒን ጎበጣን እትመሓደር ዓለም” የላን ኢሎም። ፕረዚደንት ባይደን ወሲኾም ንዩክሬን ዝዋሃብ ሓገዝ ከም ዝቕጽልን ደው ከም ዘይብልን ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ፑቲን፣ ነቲ “ፍሉይ ስርሒት” ኢሎም ዝጸውዕዎ፡ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ጠንቂ ኲናት ዩክሬን ሃገራት ምዕራብን ኣመሪካን እየን ኢሎም። ፑቲን ኣብ መግለጺኦም፣ ጀማሪት እቲ ኲናት ዩክሬን’ያ፣ ሩስያ፣ ነቲ ወራር ደው ንምባል’ያ ኣብቲ ኲናት ኣትያ ይብሉ። ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልዶመይር ዘለንስኪ ብወገኖም "ነቲ ኲናት ንከብቅዕን ንምዕዋትን፣ ከምኡውን ንምሕያል ዩክሬንን ሎም ዘበን ንምዕዋትን" ዝካኣለሉ ዝበልዎ ኣገባብ ሓቢሮም። ተንተንቲ ግና፣ ንርግጸኛነት ፕረዚደንት ዘለንስኪ፣ ጊዚኡ ዘይሓለወ ክብሉ የጠንቅቑ። ሰራዊት በርኪናፋሶ ብእስላማውያን ኣኽረርቲ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ የጋጥሞ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰራዊት በርኪናፋሶ ብእላማውያን ጥሩፋት ጕጅለ ድሕሪ ዝገጠሞ መጥቃዕቲ ድብያ፡ ብዝሒ ዝሞቱ ሰራዊቱ ናብ 51 ክብ ከም ዝበለ ወግዓውያን ምንጭታት መንግስቲ ኣፍሊጦም። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ መንግስቲ ሬሳታት 43 ሰራዊቱ ድሕሪ ምርካቡ’ዩ። እቲ ጥሩፍ ጕጅለ ካብ ሓደ ከተማ ናብ ካልእ ዝጓዓዝ ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲ ወታሃደራዊ ድብያ ድሕሪ ምግባሩ’ዩ ነቲ ከቢድ ሰብኣዊ ክሳራ ኣውሪዱ። ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምምካት መንግስቲ ተወሳኺ ሰራዊት ትማሊ ሰኑይ እኳ እንተለኣኸ ኣብቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሓያሎ ምቝሳሎም ኣፍሊጡ ኣሎ። ምዕራባዊት ሃገረ በርኪናፋሶ ካብ ጥሩፍ እስላማዊ ጕጅለ ብዘጋጥማ መጥቃዕቲ ኣሽሓት ዜጋታት’ታ ሃገር ክቕተሉ እንከለዉ፡ ንኣስታት ክልተ ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ሓገዝ ገይሩዎም’ዩ። ዕላል ምስ ክኢላ ስነ-ልቦና ጴጥሮስ ሓጎስ ጴጥሮስ ሓጎስ በዓልሞያ ሕክምና ስነልቦና(ሳይኮሎጂስት) እዩ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስነልቦናዊ ፀቕጢ ንዘጋጠሞም ሰባት ኣገልግሎት ብምሃብ ንዝሓለፉ 15 ዓመታት ሰሪሑ ኣሎ። ጴጥሮስ ን10 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ናይ ስነኣእምሮ ሕክምና ኣማኑኤል ሆስፒታል እዩ ሰሪሑ። ንኣርባዕተ ዓመታት ድማ ኣብ ምኒሊክ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ናይ ስነልቦና ሕክምና መምህር ኮይኑ ሰሪሑ እዩ። ጴጥሮስ ምስ ኲናት ተኣሳሲሮም ብዛዕባ ዘጋጥሙ ስነልቦናውን ስነኣእምራውን ፀገማት ኣመልኪቱ ንድምፂ ኣመሪካ ሞያዎ መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ዘተ ኣብ ጉዳይ ሕርሻን ሓረስታይን ክልል ትግራይ ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፣ አብ ልዕሊ ሓረስቶትን ሕርሻን ክልል ትግራይ ዝወረደ ዕንወት መዳርግቲ ኣልቦን እቲ ንዝሓለፉ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት ሓያል ጻዕሪ ዝተገብረሉ ህዝባዊ፣ ውልቃዊን መንግስታዊን ስራሕ ንድሕሪ ዝጎተተ ምኳኑ ኪኢላታትን ሙሁራትን ይሰማምዑ። ‘ሕርሻን ሓረስታይን ትግራይ፣ ካብ’ቲ ሎሚ ዝርከበሉ ብርኪ ዕንወት ኣበራቢርካ ናብ ዝነበሮ ደረጃ ንክበጽሕን ኣብ ጎደና ገስጋስ ንክኣቱን እንታይ ክግበር ኣለዎ?’ ዝብል ቴማ ሒዝና ንሰለስተ ሙሁራትን ተመራመርቲን ኣዘራሪብና ኣለና። ዶ/ር መለይ መኮነንን ዶ/ር ተኽለሃይማኖት ወ/ስላሴን ካብ ኖርዌይ፣ ኣቶ እምነት ነጋሽ ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጌንት፣ ቤልጀም እዮም። ተራ ደቀንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምቅላል ጎንጺ United Women of Horn ማለት ሕቡራት ደቀንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝብል ስያመ ዝተመስረተ ሓድሽ መርበብ ኣብ መጀመርታ ሰሙን’’ዚ ወርሒ ብመንዛ ኣቢሉ ፈላማይ ክፉት ዘተ ኣካይዱ’ሎ። እዚ ብፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃይመር ዝተኸፍተ ዘተ ኣመልኪትና፡ ብዛዕባ እቲ ዘተን እቲ ምትእኽኻብን ንኸብርሃልና ክልተ ኣጋይሽ ዓዲምና ኣሎና። ዕላል ምስ ኣብ ስራሕ ምድላው ባህላዊ ክዳውንቲ ዝነጥፍ ክብረኣብ ኪዳነማርያም ኣብ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ከምኡ ድማ ኣብ መርዓን ካልኦት ማሕበራዊ ዋኒናትን ባህላዊ ክዳውንቲ ምኽዳን ልሙድ እዩ። ኣብ ምድላውን ስራሕ ባህላዊ ክዳውንቲ ዝነጥፉ ሰብ ሞያ እውን ነዞም መዓልታት ኣብ ግምት ዘእትው ምንቅስቓሳት ይካይዱ። ንቕነ ኣሸንዳ ምኽንያት ብምግባር ሰፈይቲ ባህላዊ ክዳውንቲ ንምዕቃብ ባህሊ ዝገብሩዎ ፃዕሪ እንታይ ይመስል ንዝብል በዓል ሞያ ቅዲ፣ ሰፋይን ጠላፍን ባህላዊ ክዳውንቲ ክብረኣብ ኪዳነማርያም ኣዘራሪብናዮ ኣለና። ኤርትራ ክልተ ዓብላሊ ሃይማኖታት ኣለዋ፦ ክርስትና፣ 62,9% ሰዓብቲ ኣለዋ፤ ከምኡ’ውን 36,6% ካብ ህዝቢ ዝጥርንፍ ምስልምና እዩ። ኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ? ኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ? እ'ዚ ዓምዲ'ዚ ካብ'ዚ እዋን'ዚ ጀሚሩ ብቐጻሊ ኣብ ኣዘራርባናን ኣጸሓሕፋናን ንእንገብሮ ገለ ገለ ጌጋታት ንምእራም ምስ ነበብትና ናይ ሓባር ክትዕ ከነካይደሉ ከፊትናዮ ኣለና። ነቢቡ ዶ ኣንቢቡ መልሲ: ነቢቡ ዝበሃል ትግርኛ ኣበይ ይዝረብ:: ንለውጦ እንተኾይኑ ግና ንመያየጠሉ:: ኣንቢቡ = ንኻልእ ሰብ ከም ዚነብብ ገይሩ ኣንቢዑ = ንኻልእ ሰብ ከም ዚነብዕ ገይሩ ነቢቡ / ነቢዑ (ባዕሉ) መዝገበ ቃላት መሪጌታ ግርማጽዮን፡ ገጽ 392 ኣንበበ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ተክአ ተስፋይ፡ ገጽ 543 ነብበ፡ ይነብብ፡ ይንብብ፤ መዝገበ ቃላት ሐዲስ ኪዳነ ወልድ ክፍለ፡ ገጽ 618 አንበበ = ለበሃማን ያነብቦሙ = ንዓባሳት ከምዝዛረቡ ይገብሮም። ብልሳነ ግዕዝ ነበበ ብትግርኛ ተዛረበ ማለት እዩ። ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድሕረይ ዝነበረት ጓል ድሕረይ ዝነበረት ጓል ሓረግ እዩ። ሓጺርን ረጒድን ሓጺርን ረጒድን ሓረግ እዩ። ሰማይን ምድርን ሰማይን ምድርን ሓረግ እዩ። ንፉዕ ምስ ሕማቕ ንፉዕ ምስ ሕማቕ ሓረግ እዩ። ጥዑይዶ ሕሙም ጥዑይዶ ሕሙም ሓረግ እዩ። ዚምባብዌ ዚምባብዌ President: Emmerson Mnangagwa (2017-) ሶማልያ ሶማልያ (ብሶማሊ፦ "Soomaaliya"፤ ብዓረብኛ፦ الصومال)፣ ብወግዒ ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ (ብሶማሊ፦ "Jamhuuriyadda Federaalka Soomaaliya"፤ ብዓረብኛ፦ جمهورية الصومال الفدرالية)፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ገማግም ወሽመጥ ዓደንን ህንዳዊ ውቅያኖስን እትርከብ ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ሞቓድሾ እያ። ኣብ በይጂንግ፡ ቺና ዝቘመ ኢዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ 48 ሃገራትን ሽዱሽተ ክፍሊ ዓለማትን ኣስታት 2,5 ሚልዮን ዝዀኑ ኣባላት ኣለዉዎ። እዚ ቤትክርስትያን እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝተቐልቀለ ጕጅለ ክርስትያናዊ ፕሮተስታንት ኢዩ። ዕላማኡ፡ ቅድሚ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ ንዅለን ሃገራት ወንጌል ንምስባኽ ኢዩ። እተን ዓሰርተ ቀንዲ እምነታት ናይ’ዚ ቤተክርስትያን እዘን ዚስዕባ ኢየን፡- ዓሰርተ ሹዱሽተ ዓሰርተ ሹዱሽተ ቁጽሪ ፲፮። ማሕደረ-እንቛቑሖ ማሕደረ-እንቛቑሖ፣ ናይ ጓል ኣንስተይቲ እቛቑሖ ዝፈርየለን ክልተ ማሕደራት። ባንኮ ባንኮ፣ ኮፍ መበሊ፣ ብዙሓት ሰባት ዘቐምጥ ነዊሕ ኮፍ መበሊ። መቐመጢ ልብሲ መቐመጢ ልብሲ፣ ናይ ክዳን ቅዉም-ሳጹን፣ክዳውንቲ ዝቕመጠሉ ቦታ ወይ ቅዉም ሳጹን። መሳርዕ ግብረ-ስጋ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ከለኻ መሳርዕ ግብረ-ስጋ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ኮነ ኣብ ግዳም ዝርከብ ናይ ግብረ-ስጋ ኣካላት። ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ፡ በዓል ደማ እናልቀሰ ተደምሲሱ፡ መስዋእታ ብሓርነት ተደቢሱ። መዋእል ነኺሳ ኣብ ዕላማ፡ ትምርቲ ጽንዓት ኰይኑ ስማ፡ ኤርትራ'ዛ ሓበን ዉጹዓት፡ ኣመስኪራ ሓቂ ክምትዕውት። ኤርትራ ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ። ናጽነት ዘምጽኦ ልዑል ኒሕ፡ ንህንጻ ንልምዓት ክንሰርሕ፡ ስልጣን ከነልብሳ ግርማ፡ ሕድሪ'ለና ግምጃ ክንስልማ። ኤርትራ ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም ጨቢጣቶ ግቡእ ክብራ። ዩክሬን ዩክሬን (፣ )፣ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ እትርከብ ልኡላዊት ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ኪየቭ እያ። ወግዓዊ ቋንቋ ዩክሬን ቋንቋ ዩክሬንኛ እዩ ዓብላሊ ሃይማኖት ከኣ ኦርቶዶክስ ክርስትና እዩ። ሓሙስ ሓሙስ እያ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ፖርቱጋልኛ ፊደል ፖርቱጋልኛ ፊደል A À Á Ã Â B C Ç D E È É Ê F G H I Ì Í Î J K L M N O Ó Õ Ô P Q R S T U Ù Ú Û V W X Y Z a à á ã â b c ç d e è é ê f g h i ì í î j k l m n o ó õ ô p q r s t u ù ú û v w x y z ህንዲ ህንዲ፣ ወግዓዊት ሪፓብሊክ ህንዲ (ብሂንዲ፦ भारत गणराज्य፤ ብእንግሊዝኛ፦ "Republic of India")፣ ኣብ ደቡብ ክፍለ ዓለም ኤስያ እትርከብ ልኡላዊት ሃገር እያ። ርእሰ ከተማኣ ኒው ደልሂ እያ። ኒው ዘይላንድ ኒው ዘይላንድ (እንግሊዝኛ: "New Zealand", Maori: "Aotearoa" (ኣደማምጻ (IPA): [aɔˈtɛaɾɔa])) ሓንቲ ሃገር ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ካብ ኦስያን ትርከብ። ካብ ክልተ ዓበይቲ ደሴታት ትርከብ። ስፍሓት መሬት ናይ ፖላንድ ድማ 312,696 ስለ ዝኾነ ድማ፣ ሓንቲ ዓባይ ሃገር ናይ ኤውሮጳ እያ። ፖሊሽ ፖሊሽ (polski \ፖሊሽ\) ናይ ፖላንድ ቋንቋ ኢዩ። 40 ሚሊዮን ሰባት ድማ ይዛረብዎ። ጽፍሓት መሬት 'ቲ ጽፍሓት (ናይ ጸፊሕ) ናይ ቁጽሪ ቋንቋ እዩ። ጥንሲ ጥንሲ (pregnancy) ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምስ እንቋቈሖ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ዝተዋሃሃደሉ ኪሳብ ህጻን ዝወለደሉ ዘሎ ከባቢ 9 ኣዋርሕ ዘጣቓለለ እዩ። Section::::ግዜ ጥንሲ. ብሳምንታት እዩ ዝቑጸር፡፡ ጥንስቲ ክትኮንሉ እትኽእሊ እቲ ዝበለጸ ግዜ። ኣብ ፍርቂ ዑደተ-ጽግያት እዩ። እታ ዝጸግየት እንቋቑሖ ኣብ ማህጸን ክትምዕብል ካብ ዝጀመረትሉ ግዜ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ቆልዓ ዝውለድ ዘሎ ንውሓት ግዜ ግዜ ጥንሲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጥንሲ ንኣስታት 9 ኣዋርሕ ወይ 40 ሳምንታት ይጸንሕ ። ካብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ናይታ ዝሓለፈት ምፍሳስ ደም ጽግያት (እቲ ሓቀኛ ጥንሲ ቅድሚ ምግጣሙ ዘሎ ከባቢ ክልተ ሳምታት) ጀሚሩ ይቑጸር። ሕርሲ ክኣ ካብታ መወዳእታ ናይ ጽግያት ደም ዝተራእየሉ ግዜ ጀሚርካ ድሕሪ 40 ሳምንታት የጋጥም። ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣብ ግዜ ጥንሲ ከቢድ ጸገማት ከየጋጠመን። ጥዕና ነብሰንን ወላደንን ንምውሓስ እምብኣር እታ ኣደ እኹል ኣፍልጦ ክጸንሓ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። Section::::ምልክታት ጥንሲ. ጓልኣንስተይቲ ጥንስቲ ምዃና ዘርኢ ምልክት ካብ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ጓል ኣንስተይቲ እኳ ዝፈላለ እንተ ኾነ፡ ገለ ካብኡ ንምግላጽ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ንግሆ ክትንስእ ከላ ዕወልወል ምባል ፡ ከምልሳ ምድላይ፡ ድኻም ምስማዕ ፡ ሽውሃታ ምዕጻው ወዘተ ክንዝርዝር ንኽእል። መብዛሕቱኡ ኣብ ኩለን ጥንሲ ከም ዘጋጥም እትፈልጥሉ ግን ግዜ ናይ ጽግያት (ናይ ኣዴታታ) ኣብ ግዝይኡ ምስዘይመጻ እዩ። ካልኦት ምልክታት ድማ ምቕንዛው ጡብ። ኣብ ከባቢ ጫፍ ጡብ ድማ ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ኣዝዩ ዝጸለመ ሕብሪ ምህላው የጠቓልሉ፣ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሸውዓተ ወርሒ ዘሎ ጥንሲ። ንመብዛሕተን ደቂኣንስትዮ እቲ ዝመችአ ግዜ ኣብ መላእ ናይ ጥንሲ ግዚአን እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ምሉእ ሓይሊ ዝስምዐን ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣለዋ፣ Section::::መፍለጢ ጥንሲ. ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ገዛ ኴንካ እትጥቀምሉ መመርመሪ ጥንሲ ካብ ፋርማሲ ክትዕድግ ትኽእል ኢኻ ወይ ድማ ውሑድ ሽንቲ ማይ ንመርመራ ናብ ዶክተር ክትወስድ ይከኣል እዩ። Section::::ዕሸል. ጥንስቲ ጓልኣንስተይቲ ካብ ራብዓይ ወይ ሓምሻይ ወርሒ ጥንሳ ጀሚሩ እቲ ዕሸል ክንቀሳቐስ ከሎ ክትሰምዕ ትኽእል እያ። ዘይ ቦካር ጓልኣንስተይቲ እዚ ነገር እዚ ኣቐዲሙ ክስምዓ ተኽእሎታት ኣሎ። ምንቅስቓስ ዕሸል ኣብ ሰሙን ዝተወሰነ ግዜ ጥራይ ክስምዓ ይኽእል እዩ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ግን መዓልታዊ ክስምዓ ይጅምር። ዕሸል ሸውዓተ ወርሒ ኣብ ዝገበረሉ ግዜ ከባቢ 1 ኪ.ግ ይምዘን። ኣስታት 35 ሰ.ሜ ድማ ንውሓት ይህልዎ፣ እቲ ዕሸል። ኣብዚ ግዜ’ዚ ምሉእ ብምሉእ ይምዕብል፥ ካብዚ ግዜ’ዚ ንድሓር ሕርሲ ምስዘጋጥም። መብዛሕቱ ግዜ። እቲ ቆልዓ ብህይወት ይውለድ እዩ፣ ኮይኑ ግን። እዚ ግዜ እዚ ንሕርሲ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ ግዜ እዩ፥ ጥንስቲ ጓልኣንስተይቲ ንገዛእ ርእሳ ጽቡቕ ክንክን ክትገብር ኣገዳሲ እዩ፣ ከቢድ ነገር ኣብ ምልዓልን ልዕሊ ግቡእ ምዝርጋሕ ኣካላት ኣብ ምግባርን ክትጥንቀቕ ይግባኣ፣ ኣብ መወዳእታ ናይ ጥንሲ ግዜን። ከብዳ ኣጸቢቑ ይዓቢ፣ እታ ጓልኣንስተይቲ። ክብደት ብቐጻሊ ትውስኽ፣ ትንፋስ እውን ሕጽር ሕጽር ክብላ ይኽእል፣ እዚ ድማ እቲ ዕሸል ኣንጻር ናታ ድያፍራም ስለዝደፍኣ እዩ፣ ዕሸል ኣብ መወዳእታ ናይ ጥንሲ ኣዋርሕ ኣዝዩ ይዓቢ፣ ኣብ መወዳእታ 8ይ ወርሒ። ከባቢ 3 ኪ.ግ ይምዘን፣ ቅድሚ ሕርሲ ዘሎ ናይ መወዳእታ ወርሒ። እቲ ዕሸል ቦታ ይቕይር፥ ርእሱ ድማ ናብ ጐሎ ጓልንስተይቲ ገጹ ይገብር፣ ኩሉ ነገር ድማ ንሕርሲ ድልው ይኸውን፣ ድሕሪ ኣስታት 40 ሳምንታት ድማ እቲ ቆልዓ ይውለድ፣ ኣብ ኖርወይ እቲ ገምጋማዊ ክብደት ቆልዑ ኣብ ግዜ ሕርሲ። 3.6 ኪ.ግ እዩ፣ ደቡብ ኣመሪካ ደቡብ ኣመሪካ ደቡባዊ ንኡስ ክፍለ ዓለም ናይ ኣመሪካ እዩ። ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኣብርሃም ኣፈወርቂ (Abraham Afewerki) (30 ጥሪ 1966 - 7 ጥቅምቲ 2006) ኤርትራዊ ደራፋይ፡ ጸሓፊ፡ ኣፍራዪ ሙዚቃ እዩ ነይሩ። ብፍሉይ ኣብ ትግርኛ መሰረት ዝገበረ ድርሰታቱን ግጥምታቱን ዝፍለጥ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታትን ኣዝዩ ፍሉጥ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለም ሓደ ካብቶም ኣፍልጦ ዝረኸቡ ሰባት’ዩ ነይሩ። Section::::ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ. ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኣብ 1966 ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ተወሊዱ። ኣብ እዋን ኲናት ንናጽነት ኤርትራ ኣብርሃምን ስድርኡን ካብቲ ውግእ ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ከም ስደተኛታት ይነብሩ ነበሩ። ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኣብ ሙዚቃ ተገዳስነት ስለ ዝነበሮ ፡ ፋምፉም ተመሃረ። ኣብርሃም ኣብ መበል 12 ዕድሚኡ ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩዓመተ ምህረት፣ ኣባል ናይ ሓደ ብህግደፍ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ዝዘውር ባህላዊ ጉጅለ ኮይኑ። ነቲ ኲናት ብዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱAbraham Afewerki ደርፍታትን ሙዚቃን ክጽሕፍ ጀሚሩ፡ ካብ 1979 ጀሚሩ ድማ ምርኢት የቕርቦ ነበረ። [1] ኣብርሃም ናብ ጣልያን ገዓዘ፡ ኣብኡ ድማ ክራር ምጽዋት ተማሂሩ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ብዝብል ቴማ ደርፍታት ምጽሓፍ ቀጸለ። ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ብኽብሪ ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ ኣጽንዐ። [1] Section::::ሙዚቃዊ ሞያ. ኣብርሃም መጀመርያ "ወጋሕታ" ( "Sunrise" ) ትብል ኣብ 1991 ተዘርጊሓ ነይራ። ኣብተን ዝቐጸላ 15 ዓመታት፡ ኣብርሃም ክልተ ተወሳኺ ኣልበማት ብምዝርጋሕ ኣብ ኤርትራውያን ህቡብነቱ ዝያዳ ኣልዓሎ። ደርፍታቱ ህቡብ ነይሩ ምኽንያቱ ሕላዩ ሓያልን ግጥማዊን ምስሊ ባህሊ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ስለዝነበረ። "ኣብዘለናሊና" (Wherever We Are) እትብል ደርፉ ኣብ ኤርትራን ዓለምን ኣዝያ ተፈታውነት ረኺባ፡ ማሕበራዊ ንቕሓት ዝመልኦ ቃላቱን ምልዕዓል ዝፈጥር ግጥምታቱን ብዛዕባ ጅግንነት ናይቲ ህዝቢ የዘንቱ ነይሩ። [1] ኣብታ ሰማይ ("Sky") እትብል ናይ መወዳእታ ዘርጊሑ፡ ኣብራሃም ምስ ሓያሎ ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት ብምትሕብባር፡ ውጽኢቱ ኣዝዩ ጥዑም ድምጺ ነይርዎ። ኣብርሃም ሙዚቃኡ ምስ ጃዝ ፣ R&B ፣ ከምኡ’ውን ሬጌ ህርመት ምውህሃድ ቀጸለ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ መበቆላውነትን ሓቅነትን ሙዚቃኡ ዓቂቡ። ብፍላይ ሓንቲ ደርፊ ካብታ ኣልበም "ሰማይ ኢዩ ደረተይ" ("The Sky Is My Limit") እትብል ደርፊ፡ ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ህቡባት ደርፍታት እያ። [2] Section::::ሞት. ኣብርሃም ኣብ 2006 ኣብ ጥቓ ምጽዋዕ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንሓደ ዓርኩ ከድሕን ምስ ክብል ጥሒሉ ። ዓርኪ ኣብርሃም እግሩ ኣብ ትሕቲ ማይ ኣብ ሑጻ ተዋሒጡ እንዳጠሓለ፡ ኣብርሃም ከድሕኖ ክብል ጢሒሉ። ሙዚቃዊ ክሊፕ ንምፍራይ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ነይሩ። [2] ድሕሪ ሞቱ፡ ኣብርሃም ብብጾቱ ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ልዑል ኣኽብሮት ብዙሕ ሞሳን ሂቦሞ። እቲ ሙዚቃዊ ጽልዋኡ ናብ ኢትዮጵያ ’ ውን ተዘርጊሑ ’ ዩ ሙዚቃኡ ካብ መበቆለይና ትግርኛ ወጻኢ ብኻልእ ቋንቋ ን ካልኦት ሙዚቀኛታት ተሓቲሙ እዩ። [2] Section::::ኣልብማዊ ሕትመት. ኣብ ኤርትራ እዘን ዝስዕባ ኣልበማት ኣሕቲሙ፡ ዓረብኛ ዊኪፒዲያ ዓረብኛ ዊኪፒዲያ ናይ ዓረብኛ ስሪት ናይ ዊኪፒዲያ ኢንሳይክሎፒዲያ እዩ። ብ9 ሓምለ 2003 ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ብ4 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ዓረብኛ ዊኪፒዲያ ብመሰረት ብዝሒ ጽሑፋት ብዓበይቲ ዊኪፒዲያታት መበል 16 ደረጃ፡ ብዕምቆት ድማ ኣብ መበል 8ይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ኣብ ዊኪፒዲያታት ሩስያ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ስጳኛን ካልኦትን ብሚእታዊት ዕምቆት በሊጻ፡ ተቐቢላ 1.2% ካብ መጠን በጻሕቲ ዊኪፒዲያ ኣብ መላእ ዓለም። ይኹን እምበር፡ ብመልክዕ ጥራዛት ወይ ዲቪዲ (ከም ኢንሳይክሎፒድያ ብሪታኒካ ብእንግሊዝኛ)፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ብዝተዘርግሑ ኩለመዳያውን ዘመናውን ኢንሳይክሎፒዲያታት (ከም ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ብእንግሊዝኛ)፡ ሳይክሎፔድያዊ ትውፊት ስለዘሎ፡ ነቲ ዓረብኛ ዝዛረብ ተጠቃሚ ባዶነት ይመልኦ። ዊኪፒዲያ ዓረብ ነዚ ተራ ዝጻወት ድማ ብሰንኪ ዝርግሐ ጽሬት ዘለዎም ፕሮጀክትታት ዓረብ ሳይክሎፔዲክ ኣብ (ከም ዓረብኛ ኢንሳይክሎፔድያን ኣህጉራዊ ዓረብ ኢንሳይክሎፔድያን)፣ ከምኡ’ውን ህላወ ዊኪፒዲያ ኣብ ቀዳማይ ውጽኢት ሞተር ምድላይ። Section::::እቲ ዕለት. ኣብ መጀመርታ ዊኪፒዲያ ኣብ 2001፡ ብዓረብ መሃንድሳት ዝምወል ንዊኪፒዲያ ዝኸውን ዓረብኛ ዶመይን ክፈጥር ጻውዒታት ነይሩ። እቲ ዓውዲ ኣብ ትሕቲ "ar.wikipedia.org" ዝብል ኣድራሻ ዝተገብረ ኮይኑ፡ እንተኾነ ግን በቲ ሓሳብ ዝፍትኑ ዝነበሩ ስሞም ዘይተገልጸ ተጠቀምቲ ጥራይ እዩ ከቢድ ፈተነታት ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዓረብኛ ዊኪፒዲያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ጽሑፋት ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ፋውንዴሽን ዊኪሚድያን ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ጉጅለ ታግሪዳትን፡ ተጠቀምቲ ንዓረብኛ ዊኪፒዲያ ንምእራም ንምስልጣን ዝዓለመ ፕሮግራም ንኣዳለውቲ ዓረብኛ ዊኪፒዲያ ኣጣይሾም። ኣብ መወዳእታ ሰነ 2014፡ ቁጽሪ ጽሑፋት 284,000 በጺሑ ነይሩ። ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ኤፍ.ሲ ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ፉትቦል ክለብ (Mamelodi Sundowns Football Club) (ብቐሊሉ ብሳንዳውንስ (Sundowns) ትፍለጥ ) ኣብ ማሜሎዲ, ፕሪቶርያ ኣብ ኣውራጃ ጋውቴንግ ዝመደበራ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ፕሮፌሽናል ኩዕሶ እግሪ ክለብ ኮይና ኣብ ፕሪመር ሶከር ሊግ ትጻወት ፣ ቀዳማይ ደረጃ ስርዓት ሊግ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣፍሪቃ። ኣብ ሰብዓታት ዝተመስረተት እዛ ጋንታ፡ ኣብ ሜድኣ ጸወታታት ኣብ ስታድዩም ሎፍቱስ ቨርስፈልድ እያ እተካይዶ። ሳንዳውንስ ኣብ 1996 ካብ እትጅምር ንደሓር 12 ግዜ ክብረወሰን ዝሓዘት ኮይና፡ 3 ሃገራዊ ሻምፕዮን ኩዕሶ እግሪ ሊግ ናይ ሓባር ክብረወሰን ዝሓዘት ኮይና፡ ብድምር 15 ዋንጫ ሊግ ክትዓትር ክኢላ እያ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዘመነ ፒኤስኤል ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዓበየት ዕውትቲ ክለብ ኩዕሶ እግሪ እያ። ኣብ 2016 ካፍ ሻምፕዮንስ ሊግ ፣ 2017 ካፍ ሱፐር ካፕ ብምዕዋት ብሉጽ ክለብ ካፍ 2016 ተባሂላ ተመሪጻ። ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ንዋንጫ ኔድባንክ 6 ግዜ ፡ ንኤምቲኤን 8 4 ግዜ ፡ ንቴልኮም ኖክኣውት ድማ 4 ግዜ ተዓዊታ ኣላ። ኣብ ዋንጫ ዓለም ክለባት ፊፋ ዝተሳተፈት ናይ መጀመርታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኮይና ፡ ኣብ 6ይ ደረጃ ዛዚማ። ሳንዳውንስ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ንግዳዊ ትካል ፓትሪስ ሞትሰፐ ዝውነን ኮይኑ፡ ብዋጋ ዕዳጋ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘለዋ ክቡራት ክለባት ሓንቲ እያ። እታ ክለብ ብፍሉይ ቅዲ ምጥቃዕ ጸወታኣ ትሕበን፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ "Shoe Shine & Piano" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ እዚ ድማ ውህደት ቅልጡፍን ሓጺርን ምሕላፍ ኣብ ሜዳ ዘጠቓልል ኮይኑ እዚ ድማ ምስ ስጳኛዊ ቲኪ-ታካ ይመሳሰል። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እዚ ቅዲ ጸወታ ኣብ ጋንታታት መንእሰያትን ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮን ይንጸባረቕ ነይሩ። ኣብ 2021 ሳንዳውንስ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ክልቲኡ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ካፍን ሻምፕዮንስ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ካፍ ዝዓተረት ክለብ ኮይና።